ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነብረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ። ኣምላኽ ክኣ፡ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ሓንቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማይት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ። ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዝለኦ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ ከምኡውን ኮነ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ካልኣይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ እቲ ንቑጽ ማንቲ ኪርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታት ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ድማ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዙህ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ብቑልን ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዘፈሪ ኣእዋም ክኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳልሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፡ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዘፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን መዓልታትን ዓመታትትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን በለ ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ክኣ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገብረ፡ እቲ ዓብዩ ብርሃንን ብመዓልቲ ኽስልጥን እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ክስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገብረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፍልዮ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፍልዮ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ራብዐይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፡ ማያት ህያው ነፍሲ ዝለዎ ውንጅርጅር ዝብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ክኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዝብል ኩሉን፡ ክንፊ ዘለዎን በብዓይነቱን ኩለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ድማ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዝለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ በለ። ከምኡ’ውን ኮነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኩሉ ለምምታ ምድሪ ኽኣ በብዓይነቱ ገብረ። ኣምላኽ ስማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ አማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ ፈረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኽኣ ምልእውን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ብሕርን ንዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ በሎም። ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ኹሉ ኣሕምልትን ዘዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኹሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣለኹ እሞ ምግቢ ይኹንኩም። ንኹሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ኽኣ ኩሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ኽኣ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ረኣየ፡ እንሆ ብዙሕ ጽቡቕ ኮነ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳድሰይቲ መዓልቲ። ከምኡ ሰማይን ምድርን ኩሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ዝገብሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገብሮ ኹሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ክኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገብረኦን ኩሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን። በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩ፡ ወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ ኢዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣይዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዩ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነብረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቖለትን ነበረት። ግናኸ ንኹሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ክሳብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኾነ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ናቲ ዝገብሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኩሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቆለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ክኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። ንገነት ዜስቲ ርባ ኽኣ ካብ ኤደን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኮነ። ስም እቲ ሓደ ፒሶን ኢዩ። ንሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ኹላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ። ወርቂ እታ ምስሪ ኣዚኣ ድማ ጽቡቕ ኢዩ። ኣቡ ብዶላሕን ክቡር ዕንቁን ኣሎ። ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን ኢዩ፡ ንሱ ንኹላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኽኣ ሂዴቄል ኢዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዝከይድ ኢዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ ኢዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ንሰብ ወሲዱ ከዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ። ካብታ ድቡእን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኡ ምስ እትበልዕ መዓልቲ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይብላዕ ኢሉ ኣዘዞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኹሉ ኣራዊት መሮርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዝሰምየን ምእንቲ ኽርኢ ኽኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኹሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ ስሙ ንሱ ኾነ። ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕፋ ሰማይን ናራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኽኣ ሓንቲ ወሰደ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰብይቱ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ክኣ ካብ ስጋይ ኢያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ ኢያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኣኡን ይሕደግ ምስ ሰበይቱ ኽኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይኹኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ስማ ክልቲኣኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ክኣ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ኹሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጎርሕ ነበረ። ነታ ስበይቲ ኽኣ ኣምላኽሲ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ኣትብልዑ ኢሉዶ ኣዚዙ ኢዩ በላ። እታ ስበይቲ ነቲ ተመን በለቶ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ ከይትሞኡስ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን በለ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ እዒንትኹም ከም ዝኽፈታ ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ እምበር ከቶ ኣይቱሞቱን ኢኹም በላ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ እዒንትኹም ከም ዝኽፈታ ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ እምበር ከቶ ኣይቱሞቱን ኢኹም በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ኣታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ ነዒንቲ ኽኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት። ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቆጺሊ በለስ ኣላጊቦም ከኣ ተዐትቁ። ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብላኽ ኣብ ገነት ኪማላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፡ ኣበይ ኣሎኻ በሎ። ንሱ ኽኣ፡ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚኤ ጥራየይ ከኣ ኢየ እሞ ተሃባእኩ በለ። ንሱ ድማ፡ ጥራይካ ምኻንካ ደኣ መን ነገረካ፡ ካብታ፡ ካብኣ፡ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፡ በሎ። ኣዳም ክኣ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀብትኒ እሞ በላዕኩ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ ኽኣ፡ ስለምንታይ እዚ ገብርኪ በላ። እታ ሰብይቲ ኽኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ ባላዕኩ በለት። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን እዚ ስለ ዝገብርካ፡ ካብ ኩሉ እንስሳን ኣራዊትን መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኩሉ ዝበአን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ፡ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኽኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝዩ ኸበዝሖ ኢየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን ኢዩ። ንሱውን ኪመልከኪ ኢዩ በላ። ንኣዳም ከኣ ቃል ሰበይትኻ ስለዝሰማዕካ እሞ ካብታ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኩሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢካ። እሾኽን ተኾርባን ተብቁለልካ፡ ብቑሊ መሮር ድማ ክትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ኹሉ ህያው ኮይና ኢያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፋእን ዚፈልጥ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ ንዘልኣለም ከኣ ህያው ኾይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ኣውጽኦ። ከምኡ ንኣዳም፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ ኣተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኩሩቤል ኣቐመጠ። ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ተነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፡ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ ድማ በለት። ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዩ ምድሪ ኾነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ኾነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ክኣ ካብ በኹራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጼኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ኾረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ስለምንታይ ኮሬኻ፡ ስለምንታይ ገጽካ ጸለመ። ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካሶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ ኢዩ። ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ በሎ። ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል ተዛረቦ፡ ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መሮር ከለው፡ ቃየል ንሓው ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኢየ በለ። ንሱ ኽኣ እንታይ ጌርካ ኢኻ፡ ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን ኢያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባሕባሓይን ኩን በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዩ ኢዩ። እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ተሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ ኢየ፡ ኣብ ምድሪ ኾብላልን ቀባሕብሓይን ኸኸውን ኢየ፡ ኸኸውን ክኣ ኢዩ፡ ዚረኸበኒ ዘበለ ኹሉ ኪቐትለኒ ኢዩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ኹሉ ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ ኽፈድዮ ኢየ በሎ። ዝረኸቦ ኹሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኽኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገብረሉ። ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኽኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኤራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንማቱሳኤል ወለደ። ማቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሃንቲ ዓዳ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኮነ። ስም ሓው ኽኣ ዩባል ኢዩ። ንሱ ኽኣ ኣቦ ኹሎም ኣቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኮነ። ጺላ ድማ ንቱባልቃይን ወለደት። ንሱ ኽኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኩሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ፡ ሓውቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ኢያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ን በላ፡ ስለ ቑስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ዝምብራተይ ድማ ጎበዝ ቀተልኩ። ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሓነ እንተ ዝፈድዮስ ንላሜክ ክኣ ስብዓን ሾብዓተን ካዕበት። ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኽኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ ኢዩ። ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኽኣ ሄኖክ ኣውጽኣትሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል ጀመሩ። መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ ኢዩ፡ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ክኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽኣሎም። ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ከም መልክዑ ኽኣ ንእኡ ዝመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። ዕድመ ኣዳም ድሕርቲ ንሴት ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኮነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኣዳም ዝነበሮ ኹሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ። ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ከኣ ወለደ። ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ሴት፡ ትሸዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ። ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገብረ፡ ንቃይናን ክኣ ወለደ። ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ሄኖስ ትሸዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ ። ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገብረ፡ ነመሃላልኤል ድማ ወለደ። ቃይናን ነመሃላልኤል ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕርኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ። መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ። መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኩሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ። ያሬድ ክኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ። ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ። ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ ንማቱሳላ ኽኣ ወለደ። ሄኖክ ማቱሳላ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ ኢዩ እሞ ኣይተራእየን። ማቱሳላ ስማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ። ማቱስላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልደን ከኣ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ማቱስላ ኽኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ። ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ወዲ ድማ ወለደ። ኣብዚ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና ኢዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ። ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኽኣ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ኦኣመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ። ኖህ ክኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኮነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ። ኮነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ መልክዓኛታት ከም ዝኾና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። እዝጋኢብሄር ከኣ፡ ንሱ ስጋ ድማ ኢዩ እሞ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በሉ። ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተው፡ ንሳተን ከኣ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነብሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም ኢዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምስሪ ኸም ዝበዝሔን ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፋእ ጥራይ ከም ዝኾነን ረአየ። እግዛኢብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጎሀየ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሰብ ስለ ዝገብርክዎ ታጣዒሰ ኢየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም ኢየ በለ። ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። ወለዶ ኖህ እዚ ኢዩ፡ ኖህ ኣብቶም ወለዶታት ጸድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። ኖህ ድማ ስለስተ ወዲ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። ምድሪ ኽኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ኹሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ክኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንንሆ ድማ ተበላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፡ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ ኢያ እሞ፡ መወዳእታ ኹሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም ኢየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። ከምዚ ኸኣ ግበራ፡ ምናሕ እታ መርከብ ስለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ሓምሳ እመት ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ይኹን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ኽጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ ኢየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣስንቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኽ ብህይወት ምእንቲ ክትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኩሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኩሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቱ፡ ካብ እንስሳ በብዕይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብል በብዓይንቱ ጊርካ፡ ካብ ዝኾነ ዓሊት ከክልተ ናባኻ ይእተው። ካብ ዝብላዕ ኩሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ። ኖህ ድማ ከምኡ ገብረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኹሉ ነገር ከምኡ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ በሎ፡ ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጽዲቕካ ረኺበካ ኢየ እሞ ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ። ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ኹሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪኢ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኩሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኩሉ ዘይንጹሕ እንስሳ ኽኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስታይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ኪኾና ብህይወት ኪተርፉ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። ኖህ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ። ኖህ ድማ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ከሎ፡ ወዲ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ። ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ክኣ ምስኡ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ኣተው። ካብ ንጹህ እንስሳን ካብ ዘይንጽህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል ኩሉን፡ ከምቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣዘዞ፡ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተው። ኮነ ኽኣ ድሕሪ እተን ሾብዓተ መዓልቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኾነ። ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቑ ዓይኒ ማይያት ተቐደ፡ መሳኹቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ኣብ ምድሪ ዘነመ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኖህን ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ስበይቲ ኖህን ሰለስቲኤን ኣንስቲ ደቁ ድማ ምስኦም ናብ መርከብ ኣተው። ንሳቶምን ኩሉ ኣራዊት በብዓይነቱን ኩሉ እንስሳ በብዓይነቱን ኩለን ኣዕዋፍ በብዓይነተን ኩሉ ጨራሩን፡ ክንፊ ዘለዎ ኹሉ ድማ ናብ መርከብ ኣተው። ህያው ትንፋስ ካብ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተው። እቶም ዝኣተው ድማ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዛዞ፡ ካብ ኩሉ ስጋ ተባዕታይን ኣንስታይን ኣተው። እግዚኣብሄር ከኣ ብድሕሪኡ ዐጸዎ። ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኽኣ ንላዕሊ ኽብ በለት። እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኽኣ ኣዝዩ በዝሔ። ኣት መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ኹሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጎልበበ። እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጎልበበ። ሽዑ ኣብ ምድሪ ዘወሳወስ ስጋ ዘበለ ኹሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኩሉ ለመምታን ኩሉ ሰብን ሞተ። ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ኹሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ኹሉ ህያው ጠፍኤ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስስን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ፡ ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። እቲ ማይ ክሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ኹሎም ኣራዊትን ኩላ እስንሳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጎደለ። ናይቲ መዓሙቕ ዓይኒ ማያትን መሳኹቲ ሰማይን ተዐብሰ። ሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ። እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኽኣ እቲ ማይ ጎደለ። ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ክባታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት። እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓሰረይቲ ወርሒ እናጎደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ። ኮነ ኽኣ፡ ኣብ መወዳኣታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኮት ከፈቶ። ዃኽ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ይማላለስ ነበረ። ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጎዲሉ እንተ ኾነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ። ኣብ ልዕሊ ገጽ ኹላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ። ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ። ገና ኻልእ ሻብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኽኣ ልሙዕ ቑጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ አም ዝነጸፈ ፈለጠ። ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን። ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መበል ሹድሹተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መርሒ ካባታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረኣየ፡ እንሆ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት። ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት። ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻን ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ። ምሳኻ ዘሎ ኹሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ድማ ይፈረዩን ይብዝሑን። ሽዑ ኖህ፡ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ። ኩሉ ኣራዊትን ኩሉ ለመምታ ኩለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳሰስ ዘበለ ኹሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ። ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኩለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ። እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጨነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ ኢዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኣይክወቅዕን ኢየ። ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ በለ። ኣምላኽ ክኣ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ ፍረዮን ተባዝሑን ንምድሪ ኽኣ ምልእዋ። ኩሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን ፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉን ዓሳታት ባሕሪ ኹሉን ኣብ ኢድኩም ተወህበ። ዝዋሳወስ ዘበለ ኹሉ ሃያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ኹሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም ኣለኹ። ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙ፡ ኣይትብልዕዎ። እቲ ነፍስኹም ዘልዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኩሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓው፡ ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ ኢዩ እሞ እቲ ደም ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ። ንሳትኩም ከ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑ። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ ኣነ ኽኣ ምሳኻትኩም ብድሕሬኹም ድማ ምድ ዘርእኹምን፡ ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኹሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ ምሳኻትኩም ዘሎ ኹሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ኹሉን ምስ ኹሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኣቕውም ኣሎኹ። እንሆ ኣነ ኽኣ ምሳኻትኩም ብድሕሬኹም ድማ ምድ ዘርእኹምን፡ ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኹሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ ምሳኻትኩም ዘሎ ኹሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ኹሉን ምስ ኹሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኣቕውም ኣሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኣቐውም ኣሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ኹሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዝጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኹሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ ኢዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር ኣሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብል ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ ኢዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኩሉ ስጋ ዘሎ ኹሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንኹሉ ስጋ ዘጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን ኢዩ። ኣነ ኽኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣብ ኩሉ ስጋ ዘሎ ኹሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ክዝክር ክርእዮ እየ። ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኹሉ ስጋ ዘቖምክዎ ኺድን ምልክቱ እዚ እዩ፡ በሎ። እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ድቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸንኣን እዩ። እዚኣቶም ስለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉ። ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኽኣ ጥራዩ ኾነ። ካብ ኣቦ ኸንኣን ከኣ ሕፍረት ኣቡኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኣኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩ፡ ሕፍረት ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ንሕፍረት ኣቦኦም ኣይረኣዩን። ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገብሮ ድማ ፈለጠ። በለ ኽኣ ከንኣን ርጉም፡ ነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን። በለ ድማ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሴም ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። ኣምላክ ያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከንኣን ድማ ባርይኡ ይኹን። ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ስለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ። ኩሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ። ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ። ሴም፡ ካም፡ ያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወሊዱሎም። ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን። ደቂ ጎሜር ከኣ ኣሸከናዝን ሪፍትን ቶጋርማን። ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪተምን ዶዳኒምን። ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፈላለዩ። ደቂ ካም ከኣ፡ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን። ደቂ ኩሽ ድማ ፡ ሴባን ሓዊላን ሳባታን ራዕማን ሰባተካብ። ደቂ ራዕማ ኽኣ፡ ሸባን ዴዳንን። ኩሽ ድማ ንኔምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ባ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኔምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዛኢብሄር ጅግና ሃዳኒ፡ ተባህለ። መጀምርታ መንግስቱ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንራሓቦትዒርንን ካላህን ሰርሔን። ኣብ መንጎ ነኔዌን ካላህን ከኣኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ። ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ። ከንኣን ድማ ንሲዶን፡ በኹሪ ወዱን፡ ንሄትን፡ ንይቡሳውያንን ናኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን። ን ሄዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን። ንኣርዋዳውያንን ንድማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከንኣን ተዘርው። ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን በታ ኝጌራር እተእትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቢኢም እተአትወላ ኣቢልካ ኽኣ ክሳዕ ላሽዕ ነበረ። እዚኣቶም በብዓሌቶም፡ በብቛንቛኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ደቂ ካብ እዮም። ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ኹሎም ደቂ ዔብር፡ ዓብዩ ሓው ንያፌት፡ ደቂ ተወልዱላ። ደቂ ሴም ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን። ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን። ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደ፡ ሸላሕ ከኣ ንዔብር ወለደ። ንዔብር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘበኑ ምድሪ ስለእተኸፋፈለት። ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓው ድማ ዩቅጥና። ዩቅጣን ድማ ናኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን። ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን፡ ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ ንኦፊረን ንሓዊላን ንኦባብን ወለደ። እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ዩቕጣን እዮም። ምቕማጦም ስማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ። እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቆኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ በብህዝቦም፡ ደቂ ሴም እዮም። እዚኣቶም በብወለዶም: ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ። ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቓንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኮነ ድማ ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጎልጎል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። ንሓድሕዶም ድማ ክላግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተበሃሃሉ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኽኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ኾነሎም። ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዚጥንቁር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ፡ ኣንሆ ኹላቶም ሓደ ዝዛረብኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀምርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሒጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዝህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ከተማ ኽኣ ገደፉ። እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ኹላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ። ካብኣ ኽኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኩላ ምድሪ በተኖም። ወለዶ ሴም እዚ እዩ። ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኽኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ። ሴም ድማ ድሕርቲ ናኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ንሸላሕ ከኣ ወለደ። ኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንዔበር ወለደ። ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ስለስተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረ፡ ንፌሌግ ከኣ ወለደ። ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ፌሌግ ከኣ ስለላሳ ዓመት ገብረ፡ ንረጉ ወለደ። ፌሌግ ንረጉ ምስ ውለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣውላድን ከኣ ወለደ። ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገብረ። ንሴሩግ ከኣ ወለደ። ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንናሆር ከኣ ወለደ። ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ ድሕሪኡ ክልተ ሚእቲ ዓመት ገበረ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ውለደ። ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገብረ፡ ንታራ ኸኣ ወለደ። ናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ። ወለዶ ታራ ኽኣ እዚ እዩ፡ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ። ሃራን ድማ ንሎጥ ወለደ። ሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቡኡ ታራ ሞተ። ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተው። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ። ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዮስካን እዩ። ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነብራን። ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን፡ ንሎጥ ወራ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ። ሰበይቲ ኣብራም ወዲ ወሰዱ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከንኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ። ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ታራ ኽኣ ኣብ ካራን ሞተ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፡ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ኖኣቡዩ ህዝቢ ክገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ነብረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹካ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም። ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኽኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን፡ ነቲ ዘጥረይዎ ኹሉ ጥሪቶምን ነቶም ካብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወደሶ፡ ንምድሪ ኸንኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸንኣን ከኣ መጹ። ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ እዚ ምሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ ኣግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ። ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳን ተኸለ፡ እሞ ቤትኤል ብሸነኽ ምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኽኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ። ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ። ኣብታ ሃገር ከ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ። ኮነ ኻኣ፡ ናብ ግብጺ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ እንሆ መልከዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺ ሰብይቱ እያ ኽብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ። እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕም ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ፡ ሓብቱ እየ ደኣ በሊ በላ። ኮነ ኻኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ። እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ። ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገብረሉ፡ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላውን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ። ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፡ እንታይ እዩ እዚ ዝገብርካኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፡ ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፡ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኽኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ በሎ። ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰብይቱን ንዘለዎ ኹሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ። ኣብርም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ኹሉን፡ ሎጥ ድማ ምስኡ፡ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ደየበ። ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሃብቲሙ ነበረ። ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ። ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ። እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ። እታ ምድሪ ኽኣ ብሃደ ኽነብሩ ኽትጾሮም ኣይክኣለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ብሓደ ኺነብሩ ኣይክኣሉን። ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእዚ ኾነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። ኣብራም ከኣ ንሎጥ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃኻ፡ ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእዚ ኣይኹን። ኩላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፡ ሕድርኻ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኽኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል በሎ። ሎጥ ከኣ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብዘሎ እቲ ጎልጎል ዮርዳኖስ ኩሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረኣየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ፡ እቲ ንዞዓር እትኣትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር፡ ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ። ሽዑ ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዝለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፡ ድንኳን ኽኣ ኽሳዕ ሰዶም ተኸለ። ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓትኣን ነብሩ። ሎጥ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዘን ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። እዛ ንስኻ ኣትርእያ ዘሎኻ ኹላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። ንዘርእካ ድማ ሓምድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ኪቑጽር ዝኽእ እንተ ኾይኑ፡ ዘርእኻ ኽኣ ይቖጸር። ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ በሎ። ኣብራም ድማ ድንኳን ኣልዐለ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኽኣ ተቐመጠ፡ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኮነ ድማ ብዘበን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር፡ ኦርዮክ ንጊስ ኤላሳር፡ ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላም፡ ቲደዓል ድማ ንጉስ ጎይም፡ ንሳቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራን፡ ሺንኣን ንጉስ ኣድማን፡ ሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኽኣ ዞዓር፡ ውግእ ኣልዐሉ። እዚኣቶም ኩሎም ሓቢሮም ናብ ለሰሲዶም፡ ንሱ ኽኣ ባሕሪ ጨው፡ ተኣከቡ። ንክዳርላኦመር ዓሰርተው ክልተ ዓመት ተገዚኦምሉ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰረተው ስለስተ ዓመት ከኣ ዐለው። ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ድማ ክዳርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነብሩ ነገስታትን መጹ። ንራፋውያን ከኣ ኣብ ዓስጣሮትቀርናይም፡ ንዙዛውያን ድማ ኣብ ሃም፡ ንኤማውያን ክኣ ኣብ ጎልጎል ቂርያታይም፡ ንሆራውያን ድማ ኣብ ስዒር፡ ኣብ ከረኖም ክሳዕ እታ ኣብ ጥቓ በረኻ ዘላ ኤርጳራን ወቕዕዎም። ተመሊሶም ድማ ናብ ዔንምሽጳጥ፡ ንሳውን ቃዴስ፡ መጹ። ንኹላ ምድሪ ኣማሊቃውያን ከኣ ነቶም ኣብ ሓጻ ጾንታማር ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ወቕዕዎም። ሽዑ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦይምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ዛዓር፡ ወጺኦም ምስ እቲኣቶም፡ ምስ ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላምን፡ ቲደዓል ንጉስ ጎይምን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር ኦርዮክ ንጉስ ኤላሳርን፡ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ኺዋግኡ ኣብ ለሰ ሲዲም ተሰለፉ። ሽዑ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦይምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ዛዓር፡ ወጺኦም ምስ እቲኣቶም፡ ምስ ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላምን፡ ቲደዓል ንጉስ ጎይምን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር ኦርዮክ ንጉስ ኤላሳርን፡ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ኺዋግኡ ኣብ ለሰ ሲዲም ተሰለፉ። እቲ ለሰ ሲዲም ድማ ጎዳጉዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሲዶምን ጎሞራን ከኣ ሀዲሞም ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከረን ሀደሙ። እቲኣቶም ከኣ ናብ ሶዶምን ጎሞራን ኹሉ ገንዘብን ኩሉ ዚብላዕን ወሰዱ እሞ ኸዱ። ሎጥ ወዲ ሓው ንኣብራም ድማ፡ ንሱ ኣብ ሶዶም ይነብር ነበረ እሞ። ምስናይ ገብዘቡ ሒዞሞም ኸዱ። ሓደ ዘምለጠ ኽኣ ናብ ኣብራም እቲ እብራዊ፡ መጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ፡ እቲ ኣሞራዊ፡ ሓው ኣኤሽኮልን ሓው ዓኔርን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣኣታትዮም ነበሩ። ኣብራም ድማ ሓው ኸም እተማረኽ ምስ ሰምዔ፡ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ክሳድ ዳን ደድሕሪኣኦም ሰዐበ። ንሱን ግዙኣቱን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሆባ፡ ጸጋም ደማስቆ ድማ ሰጎጉዎም። ኩሉ ገንዘብ ከኣ ኣምለሰ። ንሎጥ ሓውን ገንዘቡን ከምኡ ኽኣ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ። ንክዳርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ ከሎ፡ ንጉስ ሰዶም ኪቕበሎ ናብ ለሰ ሻዌ፡ ንሱ ኽኣ ለሰ ንጉስ ወጸ። መልከጼድቅ ንጉስ ሳሌም ድማ፡ ንሱ ኽኣ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ እንጌራን ወይንን ኣምጽኤ። ንሱ ድማ፡ ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ብሩኽ ይኹን፡ እቲ ንጸላእኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝህበካ ልዑል ኣምላኽ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኩሉ ዕሽር ሃቦ። ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ እቶ ሰባት ሀበኒ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ንኣኻ ውሰዶ በሎ። ኣብራም ግና ንንጉስ ሰዶም፡ ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር፡ ልዑል ኣምላኽ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ኣልዐልኩ። ንኣብራም ኣነ ኣህብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ በጃካቲ እቶብ ኣጉባዝ ዝበልዕዎ፡ ፈትሊ ኾነ፡ ስራኽ ሳእኒ ኮነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገልኳ ኣይወስድን፡ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት ድማ ኣኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡ ንሳቶም ግዲኦም ይወስዱ በሎ። ንኣብራም ኣነ ኣህብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ በጃካቲ እቶብ ኣጉባዝ ዝበልዕዎ፡ ፈትሊ ኾነ፡ ስራኽ ሳእኒ ኮነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገልኳ ኣይወስድን፡ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት ድማ ኣኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡ ንሳቶም ግዲኦም ይወስዱ በሎ። ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ ኣብራም። ኣይትፍራህ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ ኣዩ። ኣብራ ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ ኣአኹ ወራስ ቤተይ ዥኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፡ በለ። ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይህበካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ በለ። እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዝወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ። ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቑጻሮም እትኽእል እንተ ዃንካ፡ ከዋኽብቲ ቑጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እቱ፡ በሎ። ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቔጸረሉ። ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢሉ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ። ንሱ ኽኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ እዚኣ ኸም ዝርስትያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፡ በሎ። ንሱ ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኽኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ነዚ ኹሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቖረጾ፡ ነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቀረጸንን። ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ። ጸሓይ ክትዕብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኽኣ ንይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ። ንኣብራም ድማ በሎ፡ ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝገዝእዎ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዘጪንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ። ነቲ ዝግዚእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ፡ ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጺ እዮም። ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ። ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ። ዓመጻ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሒጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለሶ ናይዚ ኽምለሱ እዮም። ኮነ ድማ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ገብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኮነ፡ እንሆ ድማ ዘተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቑረርጽ ሓለፈ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኽኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓቢዩ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡ ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን፡ ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን። ኣሞራውያንን፡ ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ። ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉስ ኣወለደትን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ። ሳራይ ከኣ ንኣብራም እንሆ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ። ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኻ። በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዓአርተ ዓመት ገብረ፡ ሳራይ ሰብይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ ሰበይቱ ኸተከውን ሃበቶ። ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኽኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ። ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ፡ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ፡ ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቑፍኻ ሀብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ በለቶ። ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኮይንይ ኸም እተራእየኪ ግበርያ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኽኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዚእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ ኣሎኺ በላ። ንሳ ኽኣ፡ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም ኣለኹ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ክቑጸር ክሳዕ ዘይክእል ፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ፡ እንሆ ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኽኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ። ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ ኢዱ ናብ ልዕሊ ኹሉ፡ ኢድ ኩሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ክትከውን እያ። ኣብ ቅድሚ ኹሎም ኣሕዋቱ ኽኣ ኪነብር እዩ፡ በለ። ንሳ ድማ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፡ ኢላ ስም እቲ ንኣኣኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ ኢላ ኣውጽኣትሉ። ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር ለሓይሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ኣሎ። ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወልደትሉ ወዲ ስሙ እስማዒል ኣውጽኣሉ። በቲ ኣጋር ንኣብራም እስሚኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኮይኑ ነበረ። ኣብራም ወዲ ተስዓን ተሽዓትን ዓመት ምስ ኮነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ክኣ ኩን። ኪዳነይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኬቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ። ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እንሆ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ። ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገየረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ፡ ኣዝየ ኽፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም። ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ንድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፡ እዚ ኣብ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኩላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ። ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ ንስኻ ኽኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወልደኦም ትሕልው። እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኽን ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዝለኦ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝበአለ ኹሉ ይገዘር። ስጋ ዕሎኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እትወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዐደገን፡ ይገዘር። ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘካ እተዐደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ። ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነት ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ንሰብይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ድኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እየ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪኾኑ እዮም፡ በሎ። ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፡ ሳራ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፡ በላ። ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማዔል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር በሎ። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ኣይፋልን፡ ስበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እዩ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ዘለኣለም ከቕውም እየ። ብዛዕባ እምሳዔል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ ኣሎኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፡ ከፍርዮን ኣዝዩ ኽኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ። ዓብዩ ህዝቢ ድማ ኪገብሮ እየ። ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ እትወልደልካ፡ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ። ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድኤ ኽኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብራህም ናብ ላዕሊ ደየበ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማዔል ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎምን ብገንዘቡ እተዐደጉ ኹሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ። ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ወድ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኮይኑ ነበረ። ወዱ እስማዒል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኪግዘር ከሎ ወዲ ዓሰርተው ስለስተ ዓመት ኮይኑ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማዔልን ወዱን ተገዝሩ። ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተደጉን ምስኡ ተገዝሩ። ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ ስማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ። ኣዒንቱ ኽኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ ስለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጎየየ፡ ናብ ምድሪ ኽኣ ሰገደ፡ በለ ድማ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደኣኣ ረኺበስ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ። ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኮታ ይምጻኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እተሓልፉስ፡ ክብኹም ክትድግፉ ቁራስ እንጌራ ኸምጻኣልኩም፡ ድሕርቲ ትሕልፉ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር ድማ በልዎ። ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንካን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ስለስተ መስፈር ሓርጭ እቖምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ በለ። ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጎይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዚኡ ሀቦ። ንሱ ኽኣ ኸዳልዎ ተቓላጠፈ። ርግኦን ጸልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ። ንሳቶም ድማ፡ ስበይትኻ ሳራከ ኣብይ ኣላ በልዎ። ንሱ ኻኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርጽግ ክምለሰካ እየ፡ ስበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ በለ። ሳራ ኽኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዝለኦ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብራምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ። ሳራ ኽኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዐለኒ፡ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፡ ኢላ ስሓቐት፡ ንእግዚኣብሄር ዘጨንቆ ነገር ኣለዎ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኽህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቐትን፡ ኢሉ ኣሉበት። ንሱ ግና ኣይፋል፡ ሽሒቕኪ እባ ደኣ። በላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከዱ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ። እግዚኣብሄር ድማ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኻህብኦ እየ። ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ሕዝብታት ኩላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጻኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልውን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን ምእንቲ ኺእዝዛኦም፡ ፈለጥክዎ በለ። እግዚኣብሄ ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዚዩ በርቲዑ እዩ። ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞ ገይሮምዎ ወይ ዘይገብርዎ እተ ኾይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኸርኢ እየ በለ። እቶም ሰባት ድማ ኣብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሰዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕካ ምስ ቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ። ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከብ ይኸውን እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፡ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዝለዎ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፡ ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኣባኻ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኩላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኺብኩላስ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ክንሕፋ እየ በለ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ እንሆ ኣነ መሬትን ሓሙኽሽትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ። ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጎድሉ ይኹኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ ኣይጥፍእን በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይኾኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ በለ። ንሱ ድማ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትኾሪ፡ ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይኾኑ በለ። ሰላሰ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ በለ። ንሱ ድማ፡ እንሆ ምስ ጐይታይ ክዛርብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይኾኑ በለ። ንሱ ኻ ጐይታይ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትኾሪ ደኣ ምናልባሽ ዓሰርትሰ ግዲ ይርከብዋ ይኾነ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍእን እየ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦትኡ ተመልሰ። ኣቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኽኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ እሞ። ኣቱም ጎይተተይ፡ በጃኹም እንሆ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩምውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፡ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባብይ ደኣ ንሓደር በሉ። ንሱ ኽኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተው። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣሲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ። ገና ኸይደቀዱ ኸለው ድማ፡ ሰብ እታ ኽተማ ሰብ ሰዶም፡ ኣጉባዞምን ኣረገውትን፡ ብዘሎ ኣቲ ህዝቢ ኻብ ኹሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ። ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፡ እዞም ብለየቲ ናባኻ ዝኣተው ሰባት ኣበይ ኣለው፡ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም በልዎ። ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍ ደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ። በሎም ከኣ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡ እነዋ ሰብኣይ ዘይፈልጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጻኣሉም ባህ ዝበልኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም። ንሳቶም ግና ኣልግስ፡ ንየው በል በሉ። ድማ እዚ ሓደ ስደተኛ ኾይኑ ዝመጸ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ናኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና በሉ። ነቲ ሰብኣይ፡ ንሎጥ፡ ብሓይሊ ጎነጽኦ፡ ማዕጾ ኺሰብሩ ድማ ቐረቡ። ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዐጸውዎ። ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት ካብ ናኣሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደክሙ ነበሩ። እቶም ሰብ ድማ ንሎጥ ኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ ኣሎካ ሰብኣይ ጓልካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ኹሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። ነዛ ቦታ እዚኣ ኽኣ ጭራሕምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለ ዝኾነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣኦም ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሓና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ። ሎጥ ድማ ወጺኣኡ ነቶም ኣዋልዱ ዘእተው ሰብኡት ኣዋልዱ፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም። ቀይሔጸሊም ኪቐድድ ከሎ ድማ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲ፡ ስበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተላዓል፡ ኢሎም ሀውኽዎ። ንስ ግና ደንጎየ። እግዚኣብሄር ክንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎም፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ። ኮነ ኽኣ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጎልጎል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን በለ፡ ሎጥ ግና ኣይፋልካን ጐይታይ፡ እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኺቡ ኣሎ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገብርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሔ ክድሕን ኣይክእልን እየ። በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረብ እያ፡ ንእሽቶ ኽኣ እያ። ንእሽቶዾ ኣይኮነትን፡፡ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ በሎም። ንስ ድማ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ እንሆ፡ በዚ ነግርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ። ኣብኣ ኸይበጻሕካ ገለ ነገር ከገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቅውልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት። ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ። ነዘን ከተማታት እዚኤንን ንኹሉ ጎልጎልን ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ኹሎምን ንብቑሊ ምድርን ገልበጠ። ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኾነት። ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሄ። ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጎልጎልን ኣማዕደወ፡ እንሆ ኸኣ ካብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ ኺለዐል ረኣየ። ከምዚ ኽኣ ኾነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጎልጎል ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍኡ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከዎ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ኪግለብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ። ሎጥ ከኣ ኣብ ዛኦር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ካብ ዛኦር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከአን ተቐመጠ። እታ በኹሪ ኽኣ ነታ ንእሽቶ ኣቦና ኣሪጉ እዩ። ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኩሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ በለታ። ኣሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ ኣስተይኦ፡ እታ በኹሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንሳኣን ኣይፈለጠን። ኮነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በኹሪ ነታ ንእሽቶ እንሆ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ በለታ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተይኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንሳኣን ኣይፈለጠን። ክልቴኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠኒሳ። እታ በኹሪ ወዲ ፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። ኣታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ። ኣብርሃም ድማ ካብኡ ንምድሪ ደቡብ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ ኣብ ጌራር ከኣ ሰደተኛ ኮይንይ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ፡ ሓብተይ እያ በለ። ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራ ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ። ኣምላኽ ግና ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ፡ እንሆ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ በሎ። ኣቢሜሌክ ከኣ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፡ ጐይታይ ንጻድቕ ህዝቢወንዶ ትቐትል ኢኻ። ባዕሉዶ ኣይኮነን፡ ንሳ ሓብተይ እያ ዝበለኒ፡ ንሳ ባዕላ ድማ ንሱ ሓወይ እዩ በለት። ብጹጹይ ልበይ ብጹርዩ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ በለ። ኣምላኽ ክኣ ብሕልሚ ኣነውን እዚ ብጹጹይ ልብኻ ከም ዝገብርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልክና። ሕጂ ኽኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ። ነብዩ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ኹሉ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ፡ በሎ። ኣቢሜሌክ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንኹሎም ገላውኡ ጸዊዑ እዚ ነግርዚ ኹሉ ኣዘንተወሎም። እቶም ሰባት ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። ኣቢሜሌክ ከኣ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ እዚ ዝገብርካና እንታይ እዩ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዩ ሓጢኣት ዘምጻእካልና፡ እንታይ በዲለካ ነይረ እየ፡ ዘይግበር ግብሪ እንካ ደኣ ገበርካኒ በሎ። ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ እንታይ ተራእዩካ ኢኻ እዚ ነገርዚ ዝገብርካ፡ በሎ። ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ኪቐትሉኒ እዮብ፡ ኢለ እየ። ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ ጋል ኣቦይ እያ ጓል ኣደይ ግና ኣይኮነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ኾነት። ኮነ ግና፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ኩሉ ዝኣቶናዮ ቦታ ብዛዕባይ፡ ንሱ ሓወይ እዩ፡ ክትብሊ እዚ እዩ እተርእይኒ ሞገስኪ፡ በልክዋ በለ። ኣቢሜሌክ ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ወሲዱ ኽኣ ንኣብርሃም ሀቦ። ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። ኣቢሜሌክ ከኣ፡ እንሆ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፡ ኣብ ዝሓይሽ መሲሉ ኣተራእየካ ተቐመጥ በለ። ንሳራ ድማ እንሆ ንሓውኪ ሽሕ ሲቃል ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለው ኹሎም መጎልበቢ ዓይኒ ይኹንኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ተሰየምኪ በላ። እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ንዝነበረ ኹሉ ማሕጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኽኣ። እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ንዝነበረ ኹሉ ማሕጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኽኣ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ። ሳራ ድማ ጠነሰት በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ። ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ ስሙ ይስሓቅ ኣውጽኣሉ። ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቕ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ወሲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኮነ ገዘሮ። ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ንበረ። ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሓቕ በለት። ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቖልዓ ተጥቡ ሽም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ ድማ በለት። እቲ ቖልዓ ኸኣ ዐብየ፡ ጡብውን ሃደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዩ ምሳሕ ገበረ። ሳራ ድማ እቲ ኣጋር ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረኣየት። ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ምስ ይስሃቅ ኣይኪወርስን ኣዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም በለቶ። እዚ ነገርዚ ኽኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፋእ ኮይኑ ተራእዮ። ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፋእ ኮይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዘጽውዓልካ እሞ ብኹሉ ንሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ። ንወዲ እዛ ባያ ድማ ዘርእኻ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኽገብሮ እየ በል። ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሃባ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቖልዓውን ሂቡ ሰዳዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤርሸባዕ ኮብለል ትብል ነበረት። እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ምስ ተወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ቖልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሓደገቶ። ሞትት እዚ ቖልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዘኣክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት። ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቖልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር እንታይ ኳንኪ ኢኺ፡ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቖልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕው እዩ እሞ ኣይትርሂ። ነቲ ቖልዓ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ ተንስኤ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ በላ። ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቖልዓ ኣስተየቶ። ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቖልዓ ነበረ፡ ንሱ ኽኣ ዐበየ፡ ኣብ በረኸውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ኮነ። ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ። ኮነ ኽኣ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜሌክ ምስ ፊክል ሓለቃ ሰራውቱ መጺኣኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኹሉ ምሳኻ እዩ። ሕጂ ኽኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገብርኩልካ ንኣይን ነዛ ሰደተኛ ኼንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ ምሓለለይ። ኣብርሃም ከኣ ኣነ እምሕል በለ። ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ባሮት ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ። ኣቢሜሌክ ከኣ፡ ነዚ ነግር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ። ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣቡዑርን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሀቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተው። ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሻብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ። ኣቢሜሌክ ከኣኣ ንኣብርሃም እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሻብዓተ ሽበን እንታይ እየን በሎ። ንሱ ድማ ነዛዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝኾዐትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾነኒ፡ እዛን ሻብዓተ ሸብን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድ በለ። ስለዚ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤርሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ። ኣብ ብኤርሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታታው፡ ኣቢሜሌክ ድማ ተንሲኣኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቃ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድር ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ። ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤርሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣኣለማዊ ኣምላኽ ተማህለል። ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ። ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ኾነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም፡ ንሱ ኽኣ እኔኹ በለ። እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰዶ እሞ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰኣዮ በለ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣድጉ ጸዒኑ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሪ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ። ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን ወደን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ በሎም። ኣብርሃም ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም ኣቦየ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ እኔኹ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ ሓውን ዕንጨይትንሲ እንሆ እቲ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፡ በሎ። ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዩ እዩ፡ በለ። ክልጢኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕንጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቶ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ ኢዱ ዘርጊሐ ካራ ወሰደ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን እኔኹ በለ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለውን ኣይትግበሮ፡ በለ፡ ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ ኣንሆ ኽኣ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ ኣተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ። መልኣኽ እግዛኢብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸው፡ ብርእሰይ መሓልኩ ይብል እግዚኣብሄር፡ እኒ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን፡ ካብ ዘይትኸልእ። ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኽወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም በሎ። ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳብ ናብ ብኤርሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤርሸባዕ ተቐመጠ። ኮነ ኽኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም እንሆ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ ኢሎም ነግርዎ። ዑጽ እቲ በኹሩ ሓው ድማ ቡዝ ቔሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም። ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን። ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር ፡ ሓው ኣብርሃም ወልደትሉ። ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሕእሽኝ መዓካን ወልደት። ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኮነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ። ሳራ ኣብ ቂርያት ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞተት። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሕዝነላ ኪበኽየላን መጸ። ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውታቱ ተንስኤ፡ ንደቂ ሔት ድማ። ኣነ ኣብ ማእከሎም ጋሻን መጻእተኛን ኣየ። ነዛ ምውትተይ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሃቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡ ጐይታይ ስማዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናብ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሓሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኽልኣካ የልቦን፡ ኢሎም ምለስሉ ። ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገር፡ ንደቂ ሔት ሰገደሎም። ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ። ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ። ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ ኣብ ኩሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝኣትው ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም። ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ስምዓና ድኣ፡ እታ ግራት እህበካ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካ ደቂ ህዝበይ እናረኣኣዩ እህበካ ኣሎኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ እንተ ትሰምዓኒ ኾታ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብር ኢሉ ተዛረቦ። ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ ጐይታይ ስምዓኒ ደኣ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃ ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፡ ምውትኻ ግዳ ቕበር ኢሉ መለሰሉ። ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዚተሓላለፍ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ። በዚ ኸምዚ ኽኣ እታ ኣብ ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን፡ ደቂ ሔት እናረኣዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚኣትው ኹሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኮይኑ ቖመ። ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ በዓቲ ግራት ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኽኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ቀበራ። እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ቖመት። ኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብኹሉ ባሪኽዎ ነበረ። ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኩሉ ገንዘቡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ስለፈይ ኣንብር። ካብ ኣዋልድ እዞም ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከንኣናውያን፡ ንወደይ ስበየቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኤምሕለካ ኣሎኹ። ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ በሎ። እቲ ግዙእ ከኣ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዝይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻኣካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ በሎ። ኣብርሃም ድማ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ። እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተውለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ፡ ንሱ ኻኣ እዛ ምድሪ እዚ ንዘርእኻ ክህባ እየ ኢሉ ተዛረበንን፡ ዝመሓለለይን ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ክትስዕብ እንተዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለስ በሎ። እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጎይትኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኽኣ መሓለሉ። እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጎይትኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኩሉ ዘዝጸበቀ ዘበለ ናይ ጎይትኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማናብ መስጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ። ኣጋ ምሸት በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኽኣ ኣብ ወጻኢ ኽተመኣ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኻን። በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ኾታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር። እንሆ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ከኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ። ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኽኣ፡ ስተ ነግማልካውን ኣስትየን ኣየ ኣትብለኒ ፡ ንሳ ንይስሃቕ ባርያኻ ዝመጸብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገብርካሉ ኽኣ በዚ እፈልት። ኮነ ኽኣ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ናሆር ሓው ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት። እታ ጓል ድማ ትራኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኽኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። እቲ ግዙእ ድማ ጎይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኮታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ በለ። ንሳ ኽኣ ጐይታይ፡ ስተ ኢላ፡ ቕልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። ምስ ኣስተየቶ ድማ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪስትያ ክቐድሓለን እየ በለት። ቀልጢፋ ኽኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጎየየት፡ ንኹለን ኣግማሉ ኽኣ ቀድሓትለን። እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾነ ወይስ እንተዘይኮነ ኪፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኩሩ ይጥምታ ነበረ። ኮነ ኽኣ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ እቲ ሰብኣይ ፈራቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ። ጓል መን ኢኺ፡ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፡ ድማ በለ። ንሳ ኽኣ ኣነ ጓል ቤቴኤል ወዲ ሚልካ ንሆር ዝወልደትሉ እየ በለቶ። መሊሳ ኽኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ደርቋን ንመሕደሪ ኽኣ ስፍራ ኣሎና በለቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። በለ ኽኣ፡ እቲ ምሕረቱን፡ እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመንገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ ይመርሓኒ። እታ ጓል ክኣ ጎይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት። ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጎየየ። ኮነ ኽኣ ነቲ ቀሌቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ እንሆ ኽኣ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ። እታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል ቤት ኣዳልየልካ ኣሎኹ፡ ነግማል ኽኣ ሰፈር እቶ በሎ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም። መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና ጎዳየይ ከየነገርኩስ ኣይበልዕን በለ። ንሱ ኽኣ ተዛረብ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ ኣሎ። ሳራ፡ ስበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኽኣ ዘለዎ ኹሉ ሂብዎ ኣሎ። ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከንኣናውያን ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጻኣሉ። ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ሽዑ ኽኣ ኣነ ንጐይታይ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፡ በልክዎ። ንሱ ድማ በለኒ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማለለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ክትከውን ኢኻ። ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መገዲ ተቐንዓለይ እንተ ዃንካስ እንሆ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ ማይ ክትቀድሕ እትመጽእ ጓል፡ ኣነ ኽኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ኾታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ። ንሳ ድማ፡ ስተ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ስበይቲ ትኹን። ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኮባ ጾይራ፡ ወጸት ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኽኣ፡ ኣስትይኒ ኾታ በልክዋ። ወልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኮባ ኣውሪዳ ስተ ኣግማልካውን ከስትየን እየ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን። ኣነ ኽኣ፡ ኣቲ ጓል መን ኢኺ፡ ኢለ ሓተትክዋ ንሳ ኽኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካዝወልደትሉ እየ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ከኣ ኣብ ኣእዳው ገብርኩላ። ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ መርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ። ሕጂ ኽኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብረሉ እንተ ዃንኩም፡ ንገሩኒ። እንተ ዘይኮነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ ንገሩኒ። ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ። ክፋእ ሐደው ጽቡቕ ክንዛረበካ እይንኻልን። እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ።። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለስሉ። ኮነ ኽኣ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረብኦም ምስ ሰምዔ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። ድሕሪዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነብሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኽኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንወኑ፡ በለ። ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ በልዎ። ንሱ ኻኣ ኣይተደናጉዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ በሎም። ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሓታት፡ ክኣ በሉ። ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ በለዋ። ንሳ ድማ እኸይድ በለት። ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን ንመጉዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። ንሳቶም ርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ። ርብቃ ኽኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዐባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤርላሓይሮይ ይመጽእ ነበረ። ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኮይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኽኣ ቋሕ ኣበለ። እንሆ ኣግማል ኪመጻ ረኣኣየ። ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛ ኣቢላ ንይስሃቅ ምስ ረኣኣየቶ፡ ቀልጢፉ ኻብ ገመል ወረደት። ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዝለኦ እንታዋይ ሰብኣይ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ በለ። ሽዑ መጎልበቢኣ ወሲዳ ተጎልበበት። እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ኹሉ ነግር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ። ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ኾነት፡ ፈተዋውን፡ ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቁጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። ንሳ ኽኣ ንዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ። ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሺሪምን ለጢሹምን ለኡሚምን እዮም። ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም።እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ቁጡራ እዮም። ኣብርሃም ድማ ኩሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሀቦ። ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ቢሁ፡ ገና ብህይወት ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም። ኣብርሃም ዝነበሮ ዘበን ዓመታት ሕይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት። ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን ናብ ህዝቡ ኽኣ ተኣከበ። ደቂ ይስሃቅን እስማዔልን ድማ ኣብታ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ። ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሸየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱን ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ። ኮነ ድማ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤርላሃይሮይ ይቕመጥ ነበረ። ወለዶ እስማዔል ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡ ስማት ደቂ እስማዔል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በኹሪ ወዲ እስማዔል ነባዩት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ ሚሽማዕን ዱማን ማሳን፡ ሓዳርን ቴማን፡ የጡር፡ ናፍሽ፡ ቄድማ ኸኣ። እዚኣቶም ደቂ እስማዒል እዮም። እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶም፡ በብሰፈሮም፡ ዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦምን። ዓመታት ህይወት እስማዒል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ትንፋሱ ወጸት ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ። ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኩሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ። ወለዶ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ድማ እዚ እዩ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳንኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኮይኑ ነበረ። ይስሃቅ ድማ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ ምእንትኣ ንእግዚኣሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ስበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። እቶም ቖልዑ ኽኣ ኣብ ማሕጸና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ ከምዚ ኻብ ኮነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር ኣሎኹ በለት። እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኽፈላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዩ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ። ክትወልድ ኣዋርሕ ምስ በጽሔ ድማ እንሆ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። እቲ ቐድም ዝወጸ ቐይሕ ኩሉንትንኡ ኽኣ ጸጉሪ ማቕ ዝመስል ነበረ። ስሙ ኽኣ ኤሳው ኣውጽኣትሉ። ድሕሪዚ ድማ ሓው ወጸ፡ ኢዱ ከ ኹርኹሪ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልደሎም ከላ ኽኣ፡ ይስሃቅ ወሲ ሰሳ ዓመት ኮይኑ ነበረ። እቶም ቖልዑ ድማ ዐበዩ፡ ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኮነ። ያቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኮነ። ይስሃቅ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት። ያእቆብ ጸብሒ ኽሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ኣተወ። ሽዑ ኤሳው ንያእቆብ ደኺመ እየ እሞ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ በሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ። ያእቆብ ከኣ ሎሙ ብኹርናኻ ሽጠለይ በሎ። ኤሳው ድማ እንሆ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ፡ እዛ ብኹርናኸ ንምንታየይ እያ፡ በለ። ያእቆብ ከኣ” ሎሚ ምሓለለይ፡ በለ እሞ መሓለሉ፡ ብኹርንኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ። ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ብኹርንኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ። ብጀካ እቲ ቐዳማይ ብዘበን ኣብርሃም ዝኾነ ጥሜት ኣብታ ሃገር ካልእ ጥሜት ድማ ኾነ ይስሃቕ ከኣ ናብ ኣቢሜሌክ፡ ንጉስ ፍሌስጤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ። እግዚኣብሄር ድማ ተራእዮ በሎውን፡ ናብ ግብጺ ኣይትውረድ፡ ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ። እዛ ኹላ ሃገር ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛ ዃንካ ተቐመጥ። ኣነ ኽኣ ምሳኻ ክኸውንን ኽባርኸባን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ከቑሞ እየ። ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝስምዔ እቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ፡ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕጋጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፡ ንዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፡ እዛ ኹላ ሃገርውን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም። ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝስምዔ እቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ፡ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕጋጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፡ ንዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፡ እዛ ኹላ ሃገርውን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቐመጠ። ሰብ እታ ቦታ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሓተትዎ። ንሳ ሓብተይ እያ በለ። ትርኢታ ጽቡቕ ነበረ እሞ፡ ደቂ እዛ ቦታ እዚኣ ብዛዕባ ርብቃ ኸይወትሉኒ ኢሉ፡ ስበይተይ እያ ንምባል ፈርሄ። ኮነ ኽኣ ሓያሎ፡ ወርሓት ኣብኡ ምስ ተቐመጠ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ብመስኮት ኽጥምት ረኣዮ። ኣቢሜሌክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ እንሆ ርግጽ ሰበይትኻ እያ፡ ከመይ ደኣ ንሳ ሓብተይ እያ ዝበልካኒ በሎ። ይስሃቅ ክኣ ብዛዕባኣ ኸይመውት ኢለ በሎ። ኣቢሜሌክ ድማ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፡ ሓደ ኻብ ህዝቢ ምስ ሰበይትኻ ኽድቅስ ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ በደል መምጻእካልና ኔርካ በለ። ኣቤሜሌክ ከኣ ንኹሉ ህዝቢ፡ ነዚ ሰብኣይዚ ወይ ንሰበይቱ ዝተንከየ፡ ሞት ኪመውት እዩ፡ ኢለ ኣዘዘ። ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ በታ ዓመት እቲኣ ኽኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ። ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ፡ ነቲ ግዝኣት ኣቡኡ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝኾዐትዎ ኹሉ ዔላታት ደበይዎ፡ ሓመድ ከኣ መልእዎ። ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሃቅ ካባና ኣዚኻ ሓይልካ ኢኻ እሞ ካባና ኺድ በሎ። ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራር ሰፈረ ኣብኡ ኽኣ ተቐመጠ። ነቲ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝኾዐትዎ ዔላታት ማይ ድማ፡ ፍልስጤማውያን ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ ይስሃቅ መሊሱ ኾዐቶ፡ ስሙ ድማ በቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስም ሰመዮ። ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ኾዐቱ ኣብኡ ኸኣ ዔላ ማይ ረኸቡ። ጓሶት ጌራር ከኣ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ እዚ ማይና ኢዩ ኢሎም ተበኣኣሱ። ምስኡ ስለ እተበኣሱ ድማ ስም እቲ ዔላ ዔሰቅ ኣውጽኣሉ። ካልእ ዔላ ኸኣ ኾዐተ ብዛዕብኡውን ተበኣሱ እሞ ስሙ ሲጥር ኣውጽኣሉ። ካብኡ ድማ ገዐዘ ካልእ ዒላውን ኾዐተ፡ ብዛዕብኡ ግና ኣይተበእሱን፡ ሕጂስ እግዚኣብሄር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ ሃገር ክንፋረ ኢና፡ ኢሉ ኽኣ ስሙ ረሓቦት ኣውጽኣሉ። ካብኡ ኽኣ ንብኤር ሸባዕ ደየበ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተራእዮ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ። ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ በሎ። ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ኽኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ኣብኡውን ድንኳኑ ተኽለ። ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ዔላ ኾዐቱ። ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣሑዛት ፈታዊኡን፡ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን ካብ ጌራር ናብኡ ኸደ። ይስሃቅ ከኣኣ ጸሊእኩምንስ ካባኽትኩም ከኣ ሰጉጉክምኒ፡ ንምንታይ ደኣ መጻእኩምኒ በሎ። ንሳቶም ድማ በሉ እግዚኣብሄር ምሳኸ ከም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገብርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፋእ ከይትገብረና፡ ንሕና ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሓል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ በልና። ሒጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኣ። ንሳቶም ድማ በሉ እግዚኣብሄር ምሳኸ ከም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገብርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፋእ ከይትገብረና፡ ንሕና ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሓል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ በልና። ሒጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኣ። ንሱ ኽኣ ምሳሕ ገበረሎም እሞ በልዑን ሰተዩን። ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ። ይስሃቅ ከኣ ኣፋነዎም፡ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ። ኮነ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ግዙኣት ይስሃቅ መጺኦም ብዛዕባ እቲ ዝኾዐትዎ ዒላ ማይ ረኺብናሉ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ድማ ንእኡ ሺብዓ ኢሉ ኣውጽኣሉ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ ብኤርሸባዕ እዩ። ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ ሔታውን ንበስማት ጓል ኤሎን ሔታውን ኣንስቲ ኣእትወ። እዚኣተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾንኦም። ኮነ ድማ፡ ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣና፡ ንኤሳው ነቲ ዓብዩ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይ በሎ። ንሱ ኽኣ እኔኹ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንሆ ሕጂ ኣሪገ እየ መዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ በጃኻ መሳርያኻ፡ ጎልድባኻን ቀስትኻን ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካ፡ ሀዲንካ ኣምጽኣለይ፡ ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፡ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ በለ። ርብቃ ኽኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔት። ኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ። ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ ወደየ ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቃለይ ስማዕ። ናብተን መጓሰ ኬድካ፡ ካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሕሰእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ። ንሱ ድማ በሊዑ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ነቦኻ ኽተእትወሉ። ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ ሓወት ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ። ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ኣረምሰሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ መርገም ኤምጽእ እምበር ምርቓስ፡ ኣይኮነን በለ። ኣዲኡ ድማ፡ ወደይ፡ መርገምስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕ ኬድካ ኣምጽኣለይ በለቶ። ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ነዲኡውን ኣምጽኣላ፡ ኣዲኡ ኽኣ ኣቡኡ ዚፈትዎ፡ ጥዑም ብልዒ ኣዳለወት። ርብቃ፡ ድማ እቲ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓቡዩ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ከደነቶ። ኣብ ኣእዳውን ኣብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቖርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ። እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ። ንሱ ኽኣ ናብ እቡኡ ኣትዩ፡ ኣቦየ በሎ። ንሱ ድማ እኔኹ ወደይ መን ኢኻ ንስኻ በለ። ያእቆብ ከኣ ነቡኦ፡ ኣነ ኤሳው በኹርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ እሞ ነፍስኻ ምስእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንሲእካ ኾታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነት ድማ ብላዕ በሎ። ይስሃቅ ከኣ ንወዱ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይ፡ በለ። ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ወደይ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ኾንካ ወይ እንተ ዘይኾንካ ኽረምስሰካስ ቅረብ በሎ። ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ቀረበ። ኣረምሲሱ ኽኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፡ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው በለ። ንሱ ድማ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓው ጸጋራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮን መረቖ ክኣ። ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ ድማ በሎ። ንሱ ኽኣ፡ ኣነ እየ በለ። ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ ካብቲ ሃደን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ ድማ በለ። ኣቕረበሉ በልዔ ድማ፡ ወይኒውን ሀቦ እሞ ሰተየ። ኣቡኡ ይስሃቅ ድማ ወደይ ቀሪብካባ ስዐመኒ በሎ። ቀሪቡ ሸዐሞ ጨና ኽዳኑ እጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ። እንሆ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኸ ግራት እዩ። ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካ። ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፡ ዝምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን። ኮነ ኸኣ ይስሃቅ ንያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኣብኡ ውጽእ ምስ በለ፡ ኤሳው ሓው ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ። ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኣኡ ኣምጽኦ፡ ነቡኡ ድማ ኣቦየ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ ተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕ በሎ። ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ ንስኻ መን ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኤሳው በኹሪ ወድኻ እየ በለ። ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምባደ እሞ እቲ ህዲነስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኽኣ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ ካብ ኩሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፡ ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ በለ። ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረ፡ ነቡኡ ኸኣ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ በሎ። ንሱ ድማ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኮል መጺኡ ወሲድዎ በለ። ኤሳው ከኣ፡ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒ፡ ብኹርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኽኣ እንሆ፡ ምርቓይ ወሰድ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኮነን፡ ንኣይትረፍካለይን ኢኻ፡ ድማ በሎ። ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳው እንሆ ጐይታኻ ገብርክዎ ኩሎም ኣሕዋቱ ኽኣ ግዙኣቱ ኪኾኑ ሀብክዎ፡ ብስርናይን ወይንን ከኣ ኣጸጎኽዎ፡ ሕጂ እሞ ወደይ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ በሎ። ኤሳው ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ኾይና ዘላትካ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ይኸውን እዩ። ብሴፍካ ኽትምገብ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ ኮለል ምስ በልካ፡ ኣርዑቱ ካብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ። ኤሳው ድማ ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝህቦ ምርቓ ንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡ ነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ በለ። ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዩ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓ፡ እንሆ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኺቐትለካ ይደሊ ኣሎ። ሕጂ ኽኣ ወደይ፡ ቃለይ ስማዕ፡ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን ናብ ካራን ህደም። ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ። ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ። ርብቃ ክኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ኾይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት ኣነብር በለቶ። ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፡ ፡ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ተንሲእካ ናብ ጳዳንኣራም ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ። እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን። እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዚሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሀብካ። ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ ኣደ ያእቅብን ኤሳውን ከደ። ኤሳው ከኣ ይስሃቅ ንያቆብ ከም ዝመረቖ እሞ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፡ ያእቆብ ድማ ነቡኡን ነዲኡን ሰሚዑ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝኸደ፡ ምስ ረኣየ። ኤሳው ናብ እስማዒል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማዒል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዩት፡ ሰበይቲ ኣእተወ። ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ። ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ። ጸሓይ ዐሪባ ነበረት እሞ፡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብ ኣእማን እታ ቦታ ወሲዱ ድማ፡ ትተተር ኢሰዋ፡ ኣብታ ቦታ ደቀሰ። ሓለመ ኽኣ እሞ እንሆ መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ ርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቁሩ ኣንሆ ኸኣ መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡላን ይወርዱላን ነበሩ። እንሆ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ በሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊእ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ። ዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ኽኣ ብኣኻን ብዘርእኻን ኪባረኹ እዮም። እንሆ ኽኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ። ያእቅብ ከኣ ካብ ደቃሱ ተበራበረ እሞ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ፡ በለ። ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነትን፡ እዚኣ ኽኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ። ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣባ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቑሞ፡ ኣብ ርእሱ ኽኣ ዘይቲ ኸዐወሉ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤትኤል ኣውጽኣላ፡ ቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሀል ነበረ። ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጺዔ፡ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ሓለወኒ ዝበልዖ እንጌራን ዝኸደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ተመላለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ። ያእቆብ ድማ ንመገሻኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ከደ። ጠመተ እሞ እንሆ ኸኣ፡ ዔላ ኣብ መሮር ነበረ፡ ኣብቲ ዔላ ድማ መጓሴታት የስትዩ ነበሩ እሞ፡ እንሆ ኣብኡ ሰለስተ መጋሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነብረ እምኒ ኽኣ ዓብዩ ነብረ። ንኹለን መጓሴታት ድማ ናኡ ይእክብወን ነብሩ። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገምጢሎም ከኣ፡ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ፡ ነቲ እምኒ ድማ ናብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣብ ቦትኡ ይመልስዎ ነበሩ። ያእቆብ ከኣ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ካበይ ኢኹም፡ በሎ። ካብ ካራን ኢና፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ንላባን ወዲ ናሆርዶ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም። እወ ንፈልጦ፡ በሉ፡ ደሓንዶ ኣሎ፡ ከኣኣ በሎም። ደሓን ኣሎ፡ ራሄል ጓሉ እኳ እንሃ፡ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ፡ በሉ። ንሱ ኽኣ እንሆ፡ መዓልቲ ገና ነዋሕ ኣላ፡ ከብቲ ዚእከባላጊዜ ኣይኮነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኬድኩም ኣብልዕወን፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ንኩለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኽኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኸይገለበጥዎ፡ ኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን፡ በሉ። ራሄል ባዕላ ትጓሲ ነብረት እሞ፡ ንሱ ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት። ኮነ ኽኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኩኡን ነባጊዕ ኣኩኡ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ ነባጊዕ ኣክኡ ላባን ድማ ኣስተየን። ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ። ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቡኣ፡ ወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጎይያ ነቦኣ ነገረቶ። ኮነ ኸኣ፡ ላባን ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዔ፡ ኪቕበሎ ጎየየ ሓቑፉ ሰዐሞ፡ ናብ ቤቱ ድማ ኣእተዎ። እዚ ነግረዚ ኹሉውን ንላባን ነገሮ። ላባን ከኣ ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ፡ በሎ። ወርሒ ዚኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ። ላባን ድማ ንያእቆብ፡ ሃወይ ክንዲ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽትግዛኣኒ፡ ዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒ በሎ። ላባን ከኣ ኽልተ ኣዋልድ ነበርኦ፡ ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእስቶ ኽኣ ራሄል ነበረ። ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፡ ራሄል ግና መልክዔኛ ትርኢታውን ውቅብቲ ነበረት። ያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሾብዓተ ዓመት እግዛኣካ በለ። ላባን ከኣ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥ፡ በሎ። ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝኤ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒደት መዓልቲ ኾይነን ተራእያኦ። ያእቆብ ከኣ ላባን መዕልታተትይ በጺሔን እየን፡ እሞ ከእትዋ ሰበይተይ ሀበኒ በሎ። ሽዑ ላባን፡ ንኹሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገብረ። ምሸት ምስ ኮነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋ፡ ንሱ ኽኣ ናብኣ ኣተወ። ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኮና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሀባ። ኮነ ድማ ንጽብሒቱ እንሃ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ኣተገዛእኩኻ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ በሎ። ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በኹሪ ምሃብር፡ ከምኡ ኣይግበርን እቱ። ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዛእ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ በለ። ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገብረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልኤ። ደሕር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ። ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኮና ቢልሃ ግዝእቱ ሀባ። ናብ ራሄል ድማ ኣተወ፡ ንራሄል ከኣ ሓለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝኤ። እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት። ልያ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት። እግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪፈትወኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሮቤል ኣውጽኣትሉ። መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲ ወን ወለደት፡ እዝጋኢብሄር ከም እተጸላእኩ ሰሚዑ እዮ እሞ፡ እዚ ድማ ሀበኒ ኢላ ስሙ ስምኦን ኣውጽኣትሉ። መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሰለስተ ወደ ወሊደሉ እየ እሞ ሕጂስ ሰብኣየይ ኣባይ ኪለግን እዩ በለት። ስለዚ ስሙ ሌዊ ተባህለ። መሊሳ ኽኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄር ኤመስግኖ በለት። ስለዚ ስሙ ይሁዳ ኣውጽኣትሉ። ካብ ምላድ ከኣ ኣቛረጸት። ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረኣኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያቅብ ከኣ ውሉድ ሀበኒ እንተ ዘይኮነስ እመውት አሎኹ በለቶ። ሽዑ ኹራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፡ በላ። ንሳ ኽኣ፡ እንሃ ቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶ በለት። ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰብይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ያእቆብ ድማ ኣተዋ። ቢልሃ ጠነሰ፡ ንያቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣውጽኣትሉ። ሂልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። ሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሓየልኩ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ። ልያ ኽኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረኣየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀብቶ። ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለትድሉ። ሽዑ ልያ ኣሰይ፡ ኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ። ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደተሉ። ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ኮይነ እየ እሞ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለት። ስሙ ድማ ኣሴር ኣውጽኣትሉ። ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዐጽደሉ ወርሓት ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበ፡ ናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፡ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ኾታ ሀብኒ በለታ፡ ንሳ ኽኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንእሽቶ ነገር እዩ፡ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ በለታ። ራሄል ከኣ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ በለታ። ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ክኣቱ ኸሎ ድማ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሃበኒ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ። ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሃበኒ፡ በለት። ስሙ ኽኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ። ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ። ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ፡ ሕጂ ሽዱሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ በለት። ስሙ ኽኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ። ድሕርዚ ድማ ጓል ውለደት፡ ስማ ድማ ዲና ኣውጽኣትላ። ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ። ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐ፡ ከኣ በለት። እግዚኣብሄር ካልኣ ወዲ ድማ ይወስኸኒ፡ ኢላ ስሙ ዮሴ ኣውጽኣትሉ። ኮነ ኽኣ፡ ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ንያእቆብ ንላባን፡ ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ። እተን ብዛዕባኤን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሀበኒ። እቲ እተገዛእኩኻ መግዛእቲ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ እኺድ ሕደገኒ፡ በሎ። ላባን ድማ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ረኺበስ፡ እግዚኣኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ አሎኹ፡ በሎ። ዕስብኻ ቑረጸለይ ኣሞ ክህበካ፡ ድማ በለ። ንሱ ኽኣ፡ ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከብትኻውን ምሳይ ከምይ ከም ዝኾናን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣነ ኸይመጻእኩ ሒደት ነበራኻ፡ ሕጂ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ኹሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ኣዝየን በዝሓ። ሕጂ ኽኣ ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ክምህዝ እየ በሎ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽክበካ እየ በሎ። ያእቆብ ከኣ፡ ገለኳ ኣይትሀበኒ። እዚ ነገርዚ እንተ ትገብረለይ መሊሰ ነባጊዕካ እጓስየን እከናኸነንውን። ሎሚ ብኹለን መጓሴኻ ኽሓልፍ እየ፡ ካብኡ ኽኣ ኩለን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኩለን ጸለምትን ኣባጊዕ፡ ካብ ኣጣል ድማ ቡረቴታትን ጸነኒትን ዘበላ ኽፈሊ እየ እሞ ዓስበይ ይኹና። ድሕሪ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ምስ እትመጽእ፡ ሽዑ ቕንዕናይ ኣብ ቅድሜኻ ኽምስክረልይ እዩ። ጸነጺትን ቡረቴታትን ዘኮና ኣጣል፡ ጸለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ከኣ ኣባይ እንተ ተረኽባ፡ ስሩቓት እየን በለ። ላባን ከኣ ሕራይ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቡረቴታትን ጸነጺትን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለወን ኩለን፡ ካብ ኣባጊዕ ድማ ኩለን ጸለምቲ ፈልዩ። ኣብ ኢድ ደቑ ሀቦም። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ከኣ መገዲ ሰልሰተ መዓልቲ ኣርሓሐቐ። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ። ያእቆብ ከኣ ክርዋሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝብሀል ኣእዋም ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ኣብኡ ቕላጥ ቀሊጡ ነቲ ኣባትር ዕትሮርባይ ገበሮ። ነቲ ዕሮርባይ ዝገብሮ ኣባትር ድማ ኣብቲ እተን መጓሴታት መጺኤን ዚሰትያሉ ዛራ ማይ ዘሎ ጋብላታት፡ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገብሮ እሞ፡ ኪስትያ ምስ መጻ ይትለዋ ነበራ። እተን መጋሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተልዋ እሞ እተን መጓሴታት ዑፌታትን ጸነጺትን ዓምባሬታትን ወለዳ። ሽዑ ያእቆብ ነተትን ዕያውቲ ፈልቱ፡ ገጽ እተን መጓሰ ናብተን ዑፌታትን ኩለን ጸለምትን ኣብ መጓሰ ላባን ገብረ፡ ንመጓሴኡ ኸኣ ምስ መጓሰ ላባን ኣይሕወሰንን፡ ንበይነን ደኣ ገበረን። ኮነ ድማ፡ በቲ እተን ድዓኛታት ኣባጊዕ ዚትለዋሉ ዘበን ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺትለዋስ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ድኹማት ከለዋ ግና ኣየንብሮን ነብረ። በዚ ኸምዚ ኽኣ እተን ድኹማት ንልባን፡ እተን ድዓኛታት ከኣ ንያእቆብ ኮና። እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብብዙሓት መጓሴታት ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ። እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብብዙሓት መጓሴታት ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ። ደቂ ላባን ድማ፡ እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ኹሉ ያእቆብ ወሰዶ፡ ኩሉ እዚ ኽብረት እዚ ኽኣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ንሱ ዝረኸቦ እዩ፡ ኢሎም ኪዛረቡ ሰምዔ። ያእቆብ ድማ ገጽ ላባን ጠመተ፡ እንሆ፡ ከም ቀደሙ ምስኡ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካ ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ። ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ልያን ናብተን መጓሴኡ ናብ መሮር ጸውዔን፡ በለን ከኣ፡ ገጽ ኣቦኽን ከም ቀደሙ ምሳይ ከም ዘኮነ፡ ኣነ እርኢ አሎኹ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ። ነቦኽን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎ ኽኣ ባዕልኻትክን ትፈልጣ ኢኽን። ኣቦኽን ደኣ ዓሰበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለልኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ክፉእ ኪገብረኒ ኣይፈቕደሉን። ንሱ፡ ዓምቦሬታት ዘበላ ዓስብኻ ይኹና፡ ምስ በለኒ፡ ኩለን መጓሰ ዓብቦሬታት ወለዳ፡። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኽኣ፡ ለን መጓሴ ዑፌታት ወለዳ። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኽኣ፡ ኹለን መጓሰ ዑፌታት ወለዳ። ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሀበኒ። ኮነ ኽኣ፡ በቲ እተን መጓሰ ዝትለዋሉ ግዜ ዓይነይ ቋሕ እንተ ኣበልኩ ብሕልሚ ርኤኹ፡ ኣንሆ፡ ነተን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ነበሩ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚ፡ ያእቆብ በለኒ። ኣነ ኽኣ፡ እኔኹ፡ በልኩ። ንሱውን፡ ዓይንኻ ቛሕ ኣብል እሞ እዞም ነዘን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ርኤ። እቲ ላባን ዝገበረካ ኹሉ ርእየዮ ኣሎኹ። እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቐባእካሉን፡ ኣብኡ ድማ መብጽዓ እተማባጻዕካለይን ኣምላኽ ቤትኤል፡ ኣነ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ውጺእካ ናብታ እተወለድካላ ሃገር ተመለስ በለኒ። ራሄልን ልያን ከኣ፡ ደጊሞዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ኣልዩና። ሸይጡና እዩ እሞ፡ ከም ጓኖትዶ ቖጺሩና ኣይኮነን፡ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ። እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ኹሉ ሃብቲ ንሱ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኽኣ ኣምላኽ ዝብለካ ኹሉ ግበር ኢለን መለሳሉ። ሽዑ ያእቆብ ተንሲኡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሔ። ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኸይድ፡ ኩለን ማሉን ኩሉ ዘጥረዮ ገንዘቡን፡ እተን ኣብ ጳዳንኣራም ዘጥረይን ማሉ ወሰደ። ላባን ከኣ ኣብጊዑ ኪቖጽር ከይዱ ነበረ፡ ራሄል ድማ ጣዕታት ኣቡኣ ሰረቐት። ያእቆብ ድማ ከም ዚሃድም ንላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ ከይነገረ መሊቑ ኸደ። ዘለዎ ኹሉ ሒዙ ኸኣ ሀደመ፡ ተንሲኡ ድማ ርባ ተሳጊረ ገጹ ኸኣ ናብ ከረን ጊልዓድ ኣቢሉ ኣቕንዔ። ኣብ ሰልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ያእቆብ ከም ዝሀደመ ንላባን ነገርዎ። ሽዑ ኣሕዋቱ ምስኡ ወሰደ፡ ደድሕሪኡ ድማ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ሰዐቦ። ኣብ ከረን ጊልዓድ ከኣኣ ኣርከቦ። ኣምላኽ ግና ብሕልሚ ለይቲ ናብ ላባን እቲ ሶርያዊ መጺኡ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኮነ ኽፋእ ከይትዛረብ ተጠንቐቕ በሎ። ላባን ከኣ ንያእቆብ ኣርከቦ። ያእቆብ ከኣ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ነበአረ፡ ላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ተኺሉ ነብረላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ኣብ ከረን ጊልዓድ ተኸለ። ላባን ከኣ ንያእቆብ በሎ፡ ኣንታይ እዩ ዝገብርካዮ፡ ልበይ ጠቢርካዶ ነዋልደይ ብሴፍ ከም እተማረኻ ከብከብካየን። ስለምንታይ ካባይ ተሰሪቕካ፡ ከይነገርካኒ ድማ ተሓቢእካ ዝሀደምካ፡ ብሓጎስን ብመዝሙርን ብኼበሮን በምሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ። ነወዳተይ ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ኣይሓደግካንን። ሕጂ እዚ ብዕሽነት ኢኻ ዝገብርካዮ። ክፋእ ክገብረኩም ኣብ ኢደይ ስልጣን ኣሎኒ። ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኮነ ኽፉእ ከትዛረቦ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ሕጂ ኽኣ ቤት ኣቦኻ ኣዚኻ ኻብ ናፈቕካ ምኻድሲ ኸድካ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣማልኽተይ ሰረቕካ፡ ያእቆብ ድማ ንላባን ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግደፈኒ ኢለ ፈራሁኩ። እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ግና ንሱ ይሙት። ምሳይ ዘሎ ናትካ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጎርጉርካ፡ ንኣኻ ውሰዶ፡ ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ። ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲኤን ግዝኣትን ኣተወ፡ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። ራሄል ድማ ነቶም ጣኦታት ወሲዳ ኣብ ኮረሻ ገመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ንብድንኳኑ ጎርጎሮ፡ ኣይረኸቦምን ከኣ። ንሳ ኻኣ ነቦኣኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዝኸውን መጺእኑኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትኾርየለይ በለቶ። ንሱ ኽኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይትረኸቦምን። ሽዑ ያእቆብ ተናዲዱ ንላባን ተበኣሶ ያእቆብ ንላባን መሊሱ በሎ፡ እት ነዲርካ ደድሕረይ ዝገስገስካ፡ እንታይ እየ በደለይ፡ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ። ሕጂ ንኹሉ ኣቕሖይ ጎርጎርካ፡ ካብ ኩሉ ኣቓሑ ቤትካ እንታይ ረኸብካ ኣብ መንጎ ክልቴና ኺፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣምጽኣዮ። እዘን ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነይረ፡ ጤለበጊዕካ እየ ቖልዓን ድዓውል መጓሴኻ ድማ ኣይበላዕኩን። ኣራዊት ዝሓዛ ኽኣ ኣብ ክንደኣ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን። መዓልቲ እተሰርቀትንን ለይቲ እተሰርቀተንን ድማ ካብ ኢደይ ትደልያ ነበርካ። ከምዚ እየ ዝነበርኩ፡ ብመዓልቲ ሃሩር በለይቲውን ኣስሓይታ በልዓኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ። እዘን ዕስራ ዓመት ኣብ ቤትካ ነበርኩ። ዓሰረትው ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲኤን ኣዋልድካ ሹድሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕካ ተገዛእኩኻ፡ ዓስበይ ከኣኣ ዓሰረት ሳዕ ለዋወጥካ። ኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዘፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ ኣንተ ዝይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ራዩ፡ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ። ላባን ድማ መሊሱ፡ ንያእቆብ በሎ፡ እዘን ኣዋልድ ኣዋልደይ እየን፡ ቆልዑውን ቁለውዔይ እዮም፡ እዘን መጓሰራር ከኣ መጓሴታተይ እየን፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ኹሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ኸኣ ነዘን ኣዋልደይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ እማ ኽገብር። ሕጂ ዳማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ኪኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ። ያቆብ ከኣኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኸኸውን ተኸሎ። ያእቆብ ስማ ነሕዋቱ፡ ኣእማን ኣክቡ፡ በሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ። ላባን ድማ ይጋርሰሃዱታ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ። ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለ። ስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ። ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ። ነዘ ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳይ ሰብ የልቦን፡ ራኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ። ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጓኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ። ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹን፡ እዚ ሓወልቲ እዚውን ምስክር ይኹን። ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቡኡ ይስሃቅ መሐለ። ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሓደሩ። ላባን ከኣ ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነወዳቱን ኣዋልዱን ድማ ስዒሙ መረቖም። ላባን ከኣኣ ከይዱ ናብ ቦትኡ ተመልሰ። ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፡ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍሶ። ያእቆብ ምስ ረኣዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ ኣምላኽ እዩ፡ በለ። ነታ ቦታ ኽኣ መሃናይም ኣውጽኣላ። ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓው፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም ንጐይታይ ኤሳው፡ ግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጓኹ። ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላውን ኣግራድን ኣለውኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ኪነግር ለኣኽኩ። እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም ናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ኪቃባበለካ ይመጽእ ኣሎ። በልዎ። ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነብሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ፡ ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተ ወቕዖ፡ እቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕን በለ። ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃም ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለሰ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡ እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ኹሉ ለውሃትን ኩሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሒጂ ግና ክልተ ጋንታ ኾይኑ አሎኹ። መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ ፡ እፈርሆ ኣሎኹ እሞ ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ። ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዙሕ እተላዕለ ኪቖጸር ዘይከኣል ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ ኣሎኻ። በታ ለይቲ እቲኣ አብኡ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ኹሉ ድማ ኤሳው ሓው ገጽ በረኸት ወሰደ። ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላን፡ ክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን፡ ሰላሳ እተጥቡ ገበል መምስ ውላደን፡ ኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣሓን፡ ዕስራ ኣድግን ዓሰርተ ዒሉን፡ እዚኣተን በብመጋርያኤን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሀቦም። ንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ኣረሓሒቖም ቀቅድመይ ሓለፉ በሎም። ነቲ ቐዳማይ፡ ሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ነበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፡ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኻ ናይ መን እየን፡ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡ ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና ኣሎ በሎ፡ ኢሉ አዘዞ። ኸምኡ ኽኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዘኽብክቡ ኹሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ንኤሳው ምስ ረኸብኩም ዎ፡ ከምዚ ዘረባዚ ተዛረብዎ፡ ግልያኻ ያእቆብ ድማ በዚ ቐቅድመይ ዚኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየ። ድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢ ምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉ፡ እንሆ ደድሕሬና ኣሎ፡ በሉ። በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኽኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኻልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኡቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ። ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኽኣ ኣሳገረ። ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ። ንሱ ኽኣ ከም ዘይከኣሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኹልቲ ያእቆብ ተቖጸ። እቲ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ በለ። ንሱ ኽኣ ኸይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ እንታይ እዩ ስምካ በሎ። ያእቆብ በለ። ንሱ ኽኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካስ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደኢም እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይበሀልን፡ በሎ። ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኽኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፡ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ። ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና ኢያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጳኑኤል ኣውጽኣላ። ንጳኑኤል ምስሓለፈ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኹልቱ ይሕንክስ ነበረ። ንጅማት መፋላለዩ ምሕኹልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋልለዩ ምሕኹልቲ ኣይበልዑን እዮም። *** *** *** *** *** *** *** *** *** እታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወልደትሉ ዲና ጋላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት። ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን። ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጠበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ። ሴኬም ድማ ነቦኡ ሓሞር፡ እዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኣለይ ኢሉ ተዛረቦ። ያእቆብ ድማ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ስምዔ፡ ደቁ ኸኣኣ ምስ ማሉ ኣብ መሮር ነበሩ እሞ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚኣትው ስቕ በለ። ሓሞር ኣቦ ሴኬም ከኣ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ወጸ። ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ ካብ መሮር ኣተው። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኺግበር ዝይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጉህዮም ኣዝዮም ተናደዱ። ሓሞር ድማ፡ ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጋልኩም ተጣቢቓ እያ እሞ፡ በጃኹም ሰበይቱ ኽትከውን ሀብዎ። ምሳና ተዋሰቡ ኣዋልድኩም ሀብና፡ ንኣኻትኩም ኣዋልድና ውሰዱ። ምሳና ድማ ንበሩ። እንሃ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፡ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ተረስተይዋን ኢሉ ተዛረቦም። ሴኬም ድማ ነቦኣኣን ነሕዋታን፡ ኣብ ቅድሜኹም ኮታ ሞጎስ እርከብ፡ ኣበልኩምኒ ኽህብ እየ። ገዝምን ሃይብን ኣዚኹም ኣብዚሕኩም ኣዝዙኒ። እታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሀቡኒ እምበር ከም ዝበልኩምኒ እህብ በሎም። ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘነወራ ንሴኬም ነቦኡ ሓሞርን መሊሶም ብተንኮል ተዛረብዎም፡ በልዎም ድማ፡ ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ እዚ አአውረና እዩ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ኽንገብር ኣይንኽእልን። ተባዕታይ ዝበለ ኹሉ ብምግዛርኩም፡ ከማና እንተኾንኩም በዚ ጥራይ ሕራይ ንብለኩም። ሽዑ ኣዋልድን ንህበኩም፡ ኣዋልድኩም ከኣ ንወስድ፡ ምሳኻትኩም ድማ ንነብር፡ ሓደ ህዝቢውን ንኸውን። ክትግዘሩ እንተ ዘይሰማዕኩምና ግና ጓልና ሒዝና ንኸይድ። ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ከኣ እቲ ዘረብኦም ባህ ኣበሎም። እቲ ጎበዝ ድማ ንጋል ያእቆብ ፈትይዋ ነበረ እሞ፡ ኢዚ ነግርዚ ንምግባር ኣይደንጎየን። ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዝለአው ኹሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ። ሓሞርን ወዲ ሴኬምን ናብ ደገ ኸተማኦም ከይዶም፡ ንሰብ ኣታ ኸተማኣኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም። እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ሰብ ሰላም እዮም፡ እዛ ምድሪ ደኣ እንሃ፡ ንኣታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንኣና ኣንስቲ ንወስድ፡ ኣዋልድና ድማ ንኣታቶም ንህቦም። እዞ ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ኪቕመጡ፡ ምሳና ሓደ ህዝቢ ኪኾኑ ድማ በዚ ጥራይ ሕራይ የብሉና፡ ንሳቶም ግዙራት ከም ዝኾኑ፡ ኩሉ ተባዕታይና ኽግዘር። ማሎምን ገንዘቦምን ኩሉ እንስስኦምንከ ነትናዶ ኣይኮናን፡ ሃንትስ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፡ ምሳና ኺነብሩ እዮም። እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝወጹ ኹላቶም ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም እሞ፡ ብደገ ኸተማኡ ዝወጸ ዘበለ ኹሉ ተባዕታይ ተገዝረ። ኮነ ኽኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘው ኸለው፡ ክልተ ሰቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት ዲና፡ ሰሴፎም ወሲዶም ፡ ነታ ኸተማ ኸይሕሰበት ሓደጋ ወዲቖም፡ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ቐተሉ። ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ብስህለት ሴፍ ቀቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወጹ። ደቂ ያእቆብ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም ነታ ኸተማ ዘመትዋ። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ መሮር ዝነበረን ድማ ወሰዱ። ኩሉ ገንዘቦምን ኩሎም ሕጻውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ ኣብ ቤት ንተረኽበ ኹሉ ድማ ዘመቱ። ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ መንጎ ኸነኣናውያንን ፈረዛውያንን ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨኒቕኩምኒ። ኣነ ብቑጽሪ ሒደት እየ፡ ንሳቶም ከኣ ተኣኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ድና ንጠፍእ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፡ በሉ። ኣምላኽ ድማ ንያእቆብ፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤትኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሀድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ። ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነብሩ ኹሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹምውን ለውጡ። ንተንስእ፡ ናብ ቤትኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ መዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን መሰውኢ ኽገብር እየ በሎ። ኣብ ኢዶም ዝነብሩ ኹሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነብረ ቐለብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓብኦ። ተጓዕዙ ኽኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነብራ ኸተታታት ድማ ዓብዩ ፍርሃት ኣምላኽ ኮነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጎጎውምን። ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኽኣ ቤትኤል እያ፡ ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቕድሚ ሓው ኺሀድም ከሎ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ቤትኤል ኣውጽኣላ። ዲቦራ መጉዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤትኤል ኣብ ትሕቲ እቲ ድማ ድማ ተቐብረት። ስሙ ኽኣ ድማ ብኽያት ተባህለ። ያእቆብ ካብ ጳዳንኣራም ምስ ወጸ ድማ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራኣዮ፡ ባረኾ ኸኣ። ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ። ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሀልን። ስምካስ እስራኤል ደኣ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ስሙ ኽኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን። ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዮም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቛኻ ኺወጹ እዮም። እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሀብኩዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ህቦ እየ በሎ። ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ። ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዐወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዐወ። ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ኣብኣ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ስማ ቤትኤል ኣውጽኣላ። ካብ ቤትኤል ድማ ተላዕሉ። ንኤፍራታ ኺበጽሑ ገና፡ ገለ መገዲ ተሪፍዎም ከሎ፡ ራሄል ወለደት። ክትወልድ ከላ ድማ፡ ጻዕሪ በርትዓ። ኮነ ኽኣ፡ ብሕርሳ ኽትጽዐር ከላ፡ እታ መሕረሲት፡ ሕጂ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ በለታ። ኮነ ኽኣ፡ ክትመውት ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ ስሙ ቤንኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቡኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ። ራሄል ከኣ ሞተት፡ ኣብ መገዲ ኤፍራታ ድማ ተቐብረት። ንሳ ቤትልሄም እያ። ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፡ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ። እስራኤል ከኣ ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኣብ ክንየው ግምቢ ኤደር ተኽለ። ኮነ ድማ፡ እስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣቡኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዔ። ኣወዳት ያእቆብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ነበሩ። ደቂ ልያ ሮቤል ከኹሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን። ደቂ ራሄል ዮሴፍን ብንያምን። ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ኣብ ጳዳንኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም። ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያትኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሮ ኬብሮን እያ። ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያትኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሮ ኬብሮን እያ። ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ሰምንያን ዓመት ኮነ። ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ። ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተኣከበ። ደቂ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ። ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ። ኤሳው እተን እንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣን ዓዳ፡ ጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን። ባስማት ጓል እስማዒል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ። ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉ፡ ባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት። ኦሆሊባማን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚእቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም። ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሉ ስድራቤቱን ማሉን ኩሉ እንስስኡን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረዮ ኹሉ ጘንዘቡን ወሰደ፡ ካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓው ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ። ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ሰደቶም ክትጾሮም ኣይከኣኣለትን። ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ። ወለዶ ኣሳው ኣቦ ኣኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ። ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሌፋዝ፡ ወዳ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ስበየት ኤሳው። ደቂ ኤሊፋዝ ከኣኣ፡ ቴማን፡ ኦማር፡ ጹፎ፡ ጋዕታም፡ ቄናዝ ነበሩ። ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ፡ ንኢሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ናሕትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን፡ እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ። ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ። ሹማምቲ ደቂ ኤሳድ፡ ደቂ ኤላፋዝ በኹሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን ሹር ኣማር፡ ሹም ፄፎ፡ ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም። ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹምናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ፡ እዚኣቶም ሱማምቲ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ ኣዮም። እዚኣቶም ደቂ ኤሳው፡ ንሱ ኤዶም፡ ሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም። ደቂ ሰዒር ሓራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እዚኣኣቶም እዮም፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን። ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። ደቂ ሉጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ። ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን። ደቂ ጺቦዖን ድማ እዚኣቶም እዮም። ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጸብዖን ኣብ በረኽ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዐይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ። ደቂ ዓና ኸኣኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሻንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን። ደቂ ዲሻን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዑጽን ኣራንን። ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። ሹማምቲ ሖራውን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና። ሹም ዲሻን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለው ሹማምቲ ሖራውያን እዮም። ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም። ቤላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፡ ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት። ቤላዕ ድማ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዘራሕ ከብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ዮባብ ከኣ ሞተ። ሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ሑሻም ድማ ሞተ። ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዕውረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ። ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሳምላ ኻብ ምስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ሳምላ ድማ ሞተ። ሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ራሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኣኡ ነገሰ። በዓልሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተ ሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶም፡ በቦታኦም፡ በብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹምዓልዋ፡ ሹም የቴት። ሹም ኦሆሊባማ ሽምኤል ሹም ጲኖን። ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ማብጻር፡ ሹም ማግዲኤል ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለው ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ። ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ። ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ፡ ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኽኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ጺልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ። እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ኹሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ። እቶም ኣሕዋቱ ኣቦኦም ሓለፉ ኹላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮም። ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከእሉን። ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ። ንሱ ድማ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ። እንሆ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣሰር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእትኹም ናኣንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም። ሽዑ ኣሕዋቱ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፡ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ። ካልእ ሕልሚ ድማ ሓለመ፡ ነሕዋቱ ከኣ ነገሮም፡ እንሆ ካልእ ሓልሚ ሓለምኩ፡ እንሆ ድማ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ በለ። ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገጎም። ኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሓለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፡ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰገልካ ኢና በሎ። ኣሕዋቱ ኽኣ ቀንኡሉ። ኣቡኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዑቒርዎ ነበረ። ኣሕዋቱ ድማ ጤለበጊዕ ኣቦኣኦም ኪጓስቱ ናብ ስኬም ከዱ። እስራኤል ከኣኣ ንዮሴፍ ኣሕዋትካ ደኣ ኣብ ሴኬምዶ ይጓስዩ አየለውን፡ ናዓ ናባታቶም ክሰደካ በሎ። ንሱ ኽኣ ኣኔኹ በሎ። ኪድ እሞ፡ እቶም ኣሕዋትካ ደሓን እንተለው፡ እተን ጤለበጊዕውን ደሓን እንተለዋ ርኤ፡ ቃል ድማ ምለሰለይ በሎ፡ ከምዚ ገይሩ ኻብ ለሰ ኬብሮን ለኣኾ። ንሱ ኽኣ ናብ ሴኬም መጸ። ኣብቲ መሮር ሃለው ክብል ከሎ እንሆ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰባኣይ ከኣ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ፡ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ፡ ኣበይ ከም ዝጓስዩ ኾታ ንገረኒ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ናብ ዶታን ንኽዽ ኪብሉ ሰሚዔዮም ነብርኩ እሞ ካብዝስ ለቒቖም እዮም በለ። ዮሴፍ ከኣ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም። ካብ ርሑቕ ድማ ረኣኣይዎ፡ ገና ኣባታቶም ከይቀረበ ኸኣኣ፡ ኪቐትልዎ ተታናኾሉ። ንሓድሕዶም ድማ ተባሃህሉ፡ እቲ ሓላሚ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። ሕጂ ኻኣ ንዑ ንቕተሎ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጎዳጉድ ንደርብዮ እሞ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ንርኢ። ሮቤል ከኣ እዚ ሰሚዑ ኻብ ኢዶም ኣድሓኖ፡ ነፊ ኣይንቕተል፡ ድማ በለ። ሮቤል ከኣ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኺመልሶ ኢሉ፡ ብኢድ እኳ ኣይትተንክይዎ፡ ኣብዚ በረኻ ኣብ ዘሎ ጓድጓድ ደርብይዎ እምበር ደምሲ ኣይትኽዐው በሎም። ኮነ ኽኣ፡ ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ እቲ ወለል ዝብል ቀምሽ ቐንጢጦም። ወሲዶም ድማ ናብ ጓድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጓድጓድ ከኣ ማይ ዜብሉ ጥራዩ ነበረ። እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ጠመቱ ኣንሆ ኸኣኣ እስማዔላውያን ቃፍላይ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኼውርድዎ ኪኸዱ፡ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ። ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ፡ ሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓባእናስ እንታይ ክንጥቀም ኢና። ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማዒላውያን ንሽጦ፡ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ሰምዕዎ። እቶም ነጋዶ ሰብ ሚድያን ኪሓልፉ ኸለው፡ ንዮሴፍ ኣልዒሎም ካብ ጓድጓድ ኣውጽእዎ እሞ፡ ንዮሴፍ ንዕድራ ሲቃል ብሩር ኣብ እስማዔላውያን ሸጥዎ። ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ። ሮቤል ድማ ናብቲ ጓድጓድ ተመልሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጓድጓድ ኣይነብረን። ሽዑ ኽዳኑ ቐደደ። ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ እቲ ቖልዓ የሎን ኣነ ደኣ ናበይ ክኸይድ እየ በለ። ቀምሽ ዮሴፍ ወሲዶም ከኣ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ቀምሽ ኣብ ደም ጠለቕዎ። ነቲ ወለል ዚብል ቀምሽ ሰዲዶም ናብ ኣቦኣኣኦም ኣእተውዎ እዚ ረኺብና እሞ ቀምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮነ እስከ ኣለልዮ ድማ በሉ። ኣለልይዎ ኸኣኣ፡ እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ በለ። ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቑኡ ማቕ ተዐጥቀ፡ ዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ። ኩሎም ኣወዳቱን ኩለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ ብሕዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ ኣየ፡ ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ። እቶም ሚድንያውያን ድማ ናብ ግብጺ ናብ ጲጦፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን ሓለቓ ዘብልዔኛታት፡ ሸጥዎ። በቲ ወርሓት እቲ ኽኣ ኾነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላማዊ ሰባኣይ ኣተወ። ይሁዳ ኣቡኣ ጓል ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣኣየ፡ ወሲዱ ኸኣ ኣተዋ። ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድም ኦናን ኣውጽኣትሉ። ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወይ ወለደት ስሙ ውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንኣኡ ኽትወልድ ከላ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ። ይሁዳ ድማ ንዔር በኹሪ ወዲ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ዔር በኹሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንኣናን፡ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቖም በሎ። ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኮነ ኽኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓው ምስ ዚኣቱ፡ ንሓው ዚርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ናብ ምድሪ ኽዐዎ። እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ኮነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ ወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኳንኪ ተቐመጢ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት። ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ምስ ተጸናንዔ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣብጊዑ ዚቖርጹ ናብ ቲምናት ደየበ። ንታማር ድማ እንሆ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኺቐርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኽኣ ሼላ ዓብዩ ኽንሱ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተዋህባ ረኣየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራ፡ ብመጎልበቢ ተጎልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ትምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት። ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኽኣ ሰበይቲ ወዲ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱ፡ በጃኺ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ በላ። ንሳ ድማ ናባይ ክትኣቱስ ኣንታይ እሞ ትህበኒ በለቶ። ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪ፡ በላ። ንሳ ኽኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕቲዶ ትህበኒ ኢኻ በለቶ። ንሱ ኽኣ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪ፡ በለ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ እሞ ኢድካ ዘላ በትርኻን፡ በለት። ሀባ እሞ ኣተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት። ተንሲኣ ኸኣ ከደት፡ መጎለበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት። ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ቢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደአላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ። ኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነብረትን በሎ። ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኽኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ። ይሁዳ ድማ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ። ንስኻ ኽኣ ኣይረኸብካያን እሞ መላገጺ ኸይንኸውንሲ ትውሰዶ በለ። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸብ ብዝሙት ጠኒሳ ኣላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ በለ። ምስ ኣውጽእዋ ድማ ናብ ሓሙኣ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ ኢላ ሰደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ ኣለሉ በጃኺ ድማ በለት። ይሁዳ ኽኣ ኣለልይዎ፡ ንወደይ ሼላ ኻብ ዝይሀብክዋስ ካባይ ንሳ ትቐንዕ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን። ኮነ ኽኣ፡ ብግዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። ኮነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ ኣቲ ሓደ ኢዱ ኣውጼኤ እታ መሕረሲት ከኣ እዚ ቕድም ወጸ ኢላ ቀይሕ ፈትሎ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። ኮነ ድማ ንሱ ኢዱ ምስ መለስ እንሆ፡ ሓው ወጸ። ንሳ ኽኣ፡ ከምይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ በለት። ስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ። ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነብሮ ሓው ወጸ። ስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ። ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ። ጲጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን፡ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማዔላውያን ተሻየጦ። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ነበረ። ጎይትኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ኹሉ ድማ እግዚኣብሄር ኢብ ኢዱ ኸም ዝቕንዓሉን ረአየ። ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ኹሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦ። ኮነ ኽኣ፡ ኣብ ቤቱን ኣብ ኩሉ ጥሪቱን ካብ ዝሾሞ ጊዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ። ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ኹሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ። ዘለዎ ኩሉ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ዝለዎ ዘበለ ድማ ፡ ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጌራ ገለኳ ኣይፈለጠን። ዮሴፍ ከኣ መልከዔኛ ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ። ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ኮነ፡ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጎይትኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ። ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ። ንሱ ድማ እናኣበየ፡ ንሰብይቱ ጎይትኡ፡ እንሆ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ኹሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ስበይቱ ኢኺ እሞ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልአንን። ከምይ ገይረኸ እዚ ዓብዩ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፡ በላ። ኮነ ድማ መዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽንሳ፡ ንሱ ምስኣ ኺድቅስ ወይስ ምስኣ ኺነብር ኣይሰምዓን። ኮነ ኽኣ ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት ኣተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረን። ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ ምሳይ ደቅስ በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓደገላ፡ ሀዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ። ንሳ ድማ ክዳኑ ኣብ ኢዳ ኸም ዝሕደገን ንግዳም ከኣ ከም ዝሀደመን ምስ ረኣየት፡ ንስድራ ቤታ ጸዊዓ ርአዩ ኪሰሓቐልናስ እብራዊ ሰብኣይ ኣእትዮልና፡ ንሱ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ ኣተወ፡ ኣነ ኽኣ ዓው ኢለ ኸም ኣእዌኹ። ኮነ ድማ ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእዌኹ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ፡ ሀዲሙ ንግዳም ወጸ፡ ኢላ ተዘረበቶ። ነቲ ኽዳኑ ድማ፡ ጎይትኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ ምስኣ ኣንበረቶ። ከምዚ ኢላ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነገረቶ፡ እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ባርያ ኺሰሐቕለይ ናባይ ኣተወ። ኮነ ድማ ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ንግዳም ሀደመ። ኮነ ኸኣ ጎይትኡ ኣታ ሰበይቱ፡ ባርያኻ ኸምዚ ነግርዚ ገብረኒ፡ ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ሰምዔ፡ ኩራኡ ነደደ። ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብታ ቤት ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ። እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞጎስ ሀቦ። እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኹሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበርዎ ዘበለ ኹሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ። እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሓልን ነበረ። ዝገብሮ ኹሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ። ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣኣ ኮነ፡ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንጐይታኦም ንጉስ በደሉ። ፈርኦን ድማ ብኽልቲኦም መኳንንቱ ሓለቓ ኣሰላፍቲ ሜስን ሃለቓ ሰንከትቲ እንጌራን፡ ተቖጥዔ፡ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኪሕለው ናብታ ዮሴፍ ተአሲሩላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንዮሴፍ ምስኦም ኪኸውን አዘዘ፡ ንሱ ድማ ኣገልግሎም። ኣብኡ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ተሓለው። ኢቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንንጉስ ግብጺ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝምፍታሑ ሔሕልሞም ሓለሙ። ዮሴፍ ንግሆ ናብታቶም ኣትዩ፡ እነውለ ጉህዮም ረአዮም። ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጎይትኡ ምስኡ ዚሕለው ዝነበሩ መኳንንቲ ፈርኦን፡ እንታይ ኳንኩም ኢሉኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘለኹም፡ ኢሉ ሓተቶም። ሕልሚ ሓሊምና እሞ ዚፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን፡ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ በሎም። እቲ ሓለቓ ኣስለላፍ ሜስ ከኣ ሕልሙ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኔ ርኤኹ። ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፡ ኪጥዕም ከሎ ኽኣ ዐምበበ፡ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሀበ። ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ ነዚ ዘቢብ ወሲደ ኸኣ ናብ ጽዋእ ፈርኦን ጸሙቕክዎ፡ እታ ጽዋእ ድማ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሀብክዎ። ዮሴፍ ከኣ በሎ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈራኦን ንርእስኻ ኸብ ኬብል፡ ናብ ሽመት ቀደምካውን ኪመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ ኸሎኻ ዝነበረ ስርዓት ከኣ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ። ምስ ዝቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ ምሕረት ግበረለይ ንፈርኦን ከኣ ንገርለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጸኣኒ። ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን ብስርቂ እተጨዌኹ እየ እሞ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዚእቱ ድማ ገለኳ ኣይገብርኩን። እቲ ሐለቓ ሰነከትቲ እንጌራ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝፈትሔ ምስ ረአየ፡ ንዮሴፍ፡ ኣነ ድማ ብሕልመይ እንሆ፡ ስለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ። ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብ ኩሉ ዓየንት ብልዒ ፈርኦን ግቡር እንጌራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ካብኡ ይበልዓ ነበራ፡ በሎ። ዮሴፍ ከኣ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ስለሰተ መሶብ ስለስተ መዓልቲ እዩ። ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ካባኻ ኪወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ኪሰቕላ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ኪበልዖኦ እየን፡ ኢሉ መለሰ። ኮነ ድማ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንኹሎም ገላውኡ ምሳሕ ገብረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰአፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ስንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገለውኡ ኽብ ኣበለ። ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሀበ። ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ። እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣኣ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነብረ። እንሆ ድማ ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓት፡ ስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረአየ።። ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣትን ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ። እተን ንምርኣየን ክፉኣት ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሓጥኤን። ፈርኦን ድማ ተበራበረ። ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ። ድሕሪኤን ከኣ እንሆ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጎጓ ሰዊት ወጻ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሶብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሐጥኤን። ፈርኦን ከኣ ተበራበረ፡ እንሆ ድማ ሕልሚ ነበረ። ኮነ ድማ፡ ምስ ወግሔ፡ መንፈሱ ኣዕለበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንኹሎም ጠቢባን ግብጽን ንኹሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ዚፈትሃሉ ግና ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሚስ ንፈራኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ። ፈርኦን ብገላውኡ ተቖጥዔ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና። ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሓለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሓልሚ ሐለምና። ኣብኡ ድማ እብራዊ ጎበዝ ባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኽኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ። ኮነ ድማ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ኾነ። ንኣና ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ። ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ሓልሚ ሓሊመ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ። ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን እዚ ኣባይ ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ድኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ። እንሆ ኽኣ ሾብዓተ ስቡሓትን መልክዔና ከኣ ጽቡቓትን ኣሓ። ካብቲ ርባ ደይበን ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ። እንሆ ድማ ደድሕሪኤን ካልኣት ሾብዓተ” ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹ፡ ዝማሰናን ትርኢተን እዝየን ክፋኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሐጥኤን። ኣብ ከብደን ድማ ኣተዋ። ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ የተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣትን ነበራ። ተበራበርኩ ድማ። ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሶብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹ። ድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝህጎጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጸ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሓጥኤን። እዚ ነቶም ጠቢባን ነግርክዎም ዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን። ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ። እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሓልሙ ሓደ እዩ። እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጎጓ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪኾና እየን። እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፡ ኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዩ። እንሆ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝኾነለይ ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን። ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ኹሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሀገር ኪውድኣ እዩ። ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብረ ጽጋብ ኣይፍለጥን። እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነግር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቖርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ። ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም። ናይዘን ዝመጻ ዝለአዋ ዓመታት ጽጋብ ዝብላዕ ዝኾነ ኹሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማያይ ይደለብ፡ ይሓልውዎ ኽኣ። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቖር እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን። እዚ ነግርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብ ቅድሚ ኹሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኮነ። ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፡ በሎም። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። ስንኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን ኩሉ ህዝብን ንቓልካ ይተኣዘዝ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዚዐቢ፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ርኤ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ በሎ። ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገብረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። ናብ ካላእይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ ስገድ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ኹላ ሃገር ግብጺውን ሸሞ። ፈራኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ዝበላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት ጳዕናሕ ኣውጻኣሉ። ኣስናት፡ ጓል ጴጡፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ። ዮሴፍ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ። እታ ምድሪ ዳ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሽ ሀበት። ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ኹሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ ኣከበ፡ እቲ እኽሊ ቑጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቑጻር ክሳዕ ዚሓድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ኣከበ። ገና ዓመት ጥሜት ከመጸት ከላ ኣሰናት ጋል ጳጢፌራዕ ካህን ኦን ዝወለድትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልድሉ። ገና ዓመት ጥሜት ከመጸት ከላ ኣሰናት ጋል ጳጢፌራዕ ካህን ኦን ዝወለድትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልድሉ። ዮሴፍ ድማ ኣምላኽ ኩሉ መከራይን ኩሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በኹሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ። እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪኣትዋ ጀመራ። ኣብ ኩለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኮነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኩላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈራኦን ጠርዔ። ፈርኦን ከኣ ንኹሎም ግብጻውያን ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ በሎ። ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። ዮሴፍ ከኣ ኩሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ኣብ ኩላ ምድሪ ኣናበርትዔ ኸደ እሞ ካብ ኩለን ሃገራት እኽሊ ኺሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ። ያእቆብ ድማ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ረአየ እሞ፡ ያእቆብ ንደቁ ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትርአኣዩ በሎም። እንሆ እኽሊ ኣብ ግብጺ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ክንድሕንን ከይንመውትን ከኣ ናብኣ ወሪድኩም፡ ካብኣ ሸምቱልና፡ በሎም። እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ኪሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ። ንብንያው ሓው ዮሴፍ ግና ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ ያእቆብ፡ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን። ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ኾይኖም እኽሊ ኺሽምቱ መጹ። ነታ ሃገር ዚእዝዛ ድማ ዮሴፍ ከኣ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ርእዩ አለለዮም፡ ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎሶም ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም። ካብ ምድሪ ኸነኣን እክሊ ኽንሽምት፡ በሉ። ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም ንሳቶም ግና ኣየለልይዎን። ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሐሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ ንስኻትኩም እዛ ሃገር ቃላዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም፡ ሰለይቲ ኢኹም፡ ከኣ በሎም። ንሳቶም መለስሉ፡ ኣይፋልናን ጐይታይ ገላውኻስ ቀለብ ኪሽምቱ ደኣ መጹ፡ ድማ በልዎ። ንሕና ኹልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና ንሕና ቕኑዓት ኢና፡ ገላውኻ ሰለይቲ ኣይኮኑን። ንሱ ድማ፡ ኣይፋልኩምን ኣዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ክትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ገላውኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እንሆ ድማ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን፡ በሉ። ዮሴፍ ድማ በሎም፡ እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ። በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኸይትወጹ፡ ህይወት ፈርኦን እዩ። ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዜምጽእ ስደዱ፡ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም፡ ዘረባኹም ኪፍተን ፡ ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዝይኮነስ ብህይወት ፈርኦን ሰለይቲ ኢኹም። ብሓደ ገይሩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሜት ማእሰርቲ ኣሓለዎም። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም፡ ኣነ ኣምላኽ እፈርህ እየ እሞ፡ እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ። ቅኑዕት እንተ ዃንኩምሲ፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነብርኩም ቤት ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ። እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን፡ ኣይትሞቱን ድማ። ከምኡውን ገበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናሬኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና ተበሃሃሉ። ሮቤል ከኣ፡ ኣብዚ ቖልዓ ኣይትበድሉ፡ ኢሉዶ ኣይበልኩኹምን፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። ስለዚ ድማ እንሆ ደሙ ይደሊ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ዮሴፍ ከም ዚሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ። ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ፡ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣሰሮ። ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኺመልኣሎም፡ ንምገዲውን ስንቂ ኹህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ገብረሎም። ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ፡ ዓይበቱ ኸፈተ እንሆ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ። ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ። ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይነበተይ በሎም። ልቦም መሊቑዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተበሃሀሉ። ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ ዝበጽሖም ኹሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ። እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ኣበርቲዑ ተዛረበና፡ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና። ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና፡ እቲ ሓደ የሎን፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ በልናዮ። እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ። እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፡ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ኾንኩም በዚ ኺፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ። ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ፡። ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር ሰለይቲ ኸም ዘይኮንኩም እፈልት፡ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ሀግርውን ትነግዱ በለና። ኮነ ኸኣ ዓያበቶም ምስ ኣዕረቑ፡ እንሆ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዐዓይበቱ ነበረ። ንሳቶም ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ ሰምበዱ። ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ውሉድ ዜሎ ገበርኩምኒ። ዮሴፍ የሎን፡ ስምኦን ከኣ የሎን፡ ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም፡ እዚ ኹሉ ኣባይ ኮይኑ ኣሎ በሎም። ሮቤል ከኣ ነቦኡ፡ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ ሓው ሞይቱ፡ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጎድኣት እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ በለ። እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዔ። ኮነ ድማ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ኣቦኦም ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሽምቱልና በሎም። ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙ፡ ሓውኩ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም በለና። ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዃንካ፡ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና። ዘይትሰዶ እንተ ዃንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና በሎ። እስራኤል ከኣ፡ ስለምንታይ ነቲ ሰባይ ገና ሓደ ሓው ኣሎና ኢልኩሞ ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይ በለ። ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ ካልእ ሓውካ ኣሎኩምዶ፡ ኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዚብለናዶ ፈሊጥና ኔርና በሉ። ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር ከይንመውት ተንሲእና ኽንከይድሲ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ። ኣነ እውሓሶ ካብ ኢደይ ድለዮ። ናባኻ ኣምጼኤል ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ፡ ብኹሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገብርኩም እኹን። ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይንድንጉስ፡ ኤረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና መሀሎና ኔርና በሎ። ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል እዚ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከምዚ ግበሩ፡ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓይብትኹም ውሰዱ፡ ነቲ ሰብኣይ ዚኸውን ገጽ በረኸት፡ ሒደት ቀመም ሒደት መዓር፡ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ። ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ዓይብትኹም ኣተመልሰ ገንዘብ ከኣ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውን ቢድኩም ምለስዎ። ንሓውኹምውን ውሰድዎ ተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። ነቲ ሓደ ሓውኹምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰዶም እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፡ ውሉድ እስእን በሎም። እቶም ሰብ ድማ ነጺ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ፡ ዕድፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ፡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ። ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረኣኣዮ፡ ንኣዛዝ ቤቱ፡ እዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎም፡ ሕሩድ ሐሪድኩምውን ኣዳሉ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎ። እቶም ሰባት ድማ፡ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተውዎም ፈርሁ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ጊዜ ኣብ ዓይብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ኣብዚ ዘእተወና፡ ጎይዩ ሓደጋ ኺወድቀና እሞ ባሮት ክንከውን፡ ንኣናን ነእዱግናን ኪወስድ ኣዩ፡ ከኣ በሉ። ናብቲ ሰባይ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም ድማ ኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ፡ በል ጐይታይ ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና። ኮነ ኸኣ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና፡ ዓይብትና ኸፈትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ገንዘብ ነፍስ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዐይበቱ ነበረ፡ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ ኣሎና። እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓይብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዝኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና ኣሎና በሉ። ንሱ ድማ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ዓይብትኹም መዝገብ ዝሀብኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹምን እዩ፡ ገንዘብኩምሲ ኣትዩኒ ኣዩ በለ። ንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ። እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእትዩ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሀቦም፡ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሀበን። ኣብኡ ኸም ዝምስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፡ ቆሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለውዎ። ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጸ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኣሉ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሓተቶም እቲ ብዛዕባኡ እተዛረበኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ ከኣ በሎም። ንሳቶም ድምስ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩ ብህይወት ኣሎ፡ በሉ፡ ድንን ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓው ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ እዝስ እቲ ብዛዕብኡ እተዛረበኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ፡ በለ። ወደይ እግዚኣብሄር ሞገስ ይሀብካ፡ ከኣ በሎ። ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓው ኣምዑቱ ትኹስኩስ ኢልዎ ተሀወኸ፡ ዚበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ በኸየ። ገጹ ተሓጺቡ ወጸ፡ ልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ፡ እንጌራ ኣቕርቡ፡ በለ። ሽዑ ንእኡ ነበይኑ፡ ንኣኣቶም ድማ ንበይኖም ነቶም ምስኡ ዚበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረብሎም፡ ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ ኣሞ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ኪበልዑ ኣይኽእሉን፡ እዮም። እቲ በኹሪ ኸም ብኹርናኡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ። እቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ። ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎም። ንብንያም ድማ ሓላፈ ገደ ኾሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ። ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሓጎሱ። ንኣዛዝ ቤቱ ድማ ንዓይብቲ እዞም ሰባት ኪወስድዎ ኸም ዚኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎም። ገንዘብ ነፍስ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዕይበቱ ኣንብር። ነታ ጽዋኤይ ድማ፡ እታ ጽዋእ ብሩር፡ ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ ኢሉ ኣዘዞ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ። ንግሆ ምስ በርሄ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ይኺዱ ሓድግዎም። ንሳቶም ካብ ከተማ ወጺኦም ገና ኸይረሓቑ ዮሴፍ ንኣዛዝ ቤቱ በሎ ተንስእ ደድሕሪ እዞብ ሰባት ስዐብ እሞ፡ ምስ ኣርከብካዮም ከምይ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ ፈዴኹም፡ እታ ጐይታይ ዚሰትየላ ብእኣ ድማ ምስጢር ዚፈልጠላን ጽዋእ እዚኣዶ ኣይኮነትን፡ እዚ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም በሎም። ንሱ ኽኣ ኣርከቦም እዚ ነገርዚ ድማ ተዛረቦም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ትዛረብ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻብ ገላውኻ የርሕቆ፡ እቲ ኣብ ኣብ ዓያብትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ እንሆ ካብ ምድሪ ኸነኣን መሊስናልካ። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ። ካብ ገላውኻ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ንሕና ኸኣ ባሮት ጐይታ ንኹን በልዎ። ንሱ ኸኣ ሕጂ ኸም ዝበልክምዎ ይኹን። እቲ እተረኽበቶ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ንጽሃት ኢኹም በለ። ቀልጢፎም ከኣ ነፍ ወከፍ ዐዓበቶም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፡ ነፍስ ወከፍ ድማ ዐይበቱ ኸፈተ። ንሱ ኸኣኣ በቲ ዓብዩ ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ጎርጎሮም፡ እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ዓይበት ብንያም ተረኸበት። ሽዑ ኽዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍስ ወከፍ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ናብ ከተማ ተመልሱ። ይሁዳን ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ኣተው። ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ። ዮሴፍ ከኣ እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግበሩ እዩ፡ ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝኾነስ ኣይትፈልጡንዶ፡ በሎም። ይሁዳ ድማ ፡ ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ኢና፡ እንታይስ ክንዛረብ፡ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ፡ ኣምላኽ በደል ባሮትካ ረኸበ፡ እኔና ንሕናን እቲ ኣብ ኢድ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጎያትይ ኢና፡ በለ። ንሱ ግና ከምዚ ዝበለ ምግባርሲ ኻያ የርሕቕ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብኣይ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ በለ። ሽዑ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ በለ፡ በል ጎያትይ ጊልያኻ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ኸም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡ ኩራኻ ኣብ ጊልያኻ ኣይንደድ። ጐይታይ ንገላውኡ፡ ኣቦ ወይ ሓውከ ኣሎኩምዶ፡ ኢሉ ሓተቶም። ንሕና ኽኣ ጐይታይ፡ ኣረጊት ኣቦ ኣሎና፡ ኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ንእሽቶ ቖልዓ ድማ ሓው ኸኣ ሞይቱ፡ እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣኣ ይፈትዎ እዩ በልናካ። ሽዑኡ ንስኻ ንገላውኻ ዓይነይ ክርእቱ ናባይ ኣውርድዎ በልካና። ንሕና ድማ ንጎያትይ እቲ ወዲ ነቦኡ ኺሕድጎ ኣይክእልን፡ ነቦኡ እንተ ሓደጎስ፡ ኣቦኡ ኺመውት እዩ፡ በልናዮ። ንገላውኻ ድማ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወረደ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ በልካና። ኮነ ኸኣ ንሕና ጊልያኻ ኣቦይ ምስ ደየበና፡ ዘረባ ጎያትይ ነገርናዮ። ኣቦና ድማ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና በለ። ንሕና ኸኣ ክንወርድ ኣይንኽእልን። እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተሎ ግና ንወርድ በልና። ኣቦይ ጊልያኻ ድማ ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ሓደ ኻባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣኣ ብሓቂ ተበሊዑ እዩ በልኩ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይርኤኽውን። ነዚ ኸኣ ካብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ እሞ ድንገት እንተ ረኸቦ፡ ንሽበተይ ንጓሂ ናብ ሽኦል ከተውርድዎ ኢኹም በለና። ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብ ኣቦይ ጊልያኻ እንተ መጻእኩ እሞ እዚ ወዲ ምሳይ እንተ ዘየሎ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ወዱ ስለ እተጠበቐት። ኪኸውን ድማ እቱ እዚ ወዲ ኸም ዘየሎ እንተ ረኣየ ኺመውት እዩ። ገላውኻ ኸኣ ንሸበት ኣቦና ጊልያኻ ብጓሂ ናብ ሽኦል የውርዱ። ጊልያኻ ነዛ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ብኹሉ ዘበነ ነቦይ ሓጢኣት ከም ዝገብርኩ እኽወን። ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ። ሕጂ ድማ ጊልያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ ንጎያትይ ባርያ ኾይኑ ኪቕመጥ ይደይብ። እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዝይህሉስ ከምይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፡ እቲ ነቦይ ዚረኸቦ ኽፋእሲ ኣየርእየኒ። ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነብሩ ኹሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉ፡ ኩሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን። ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፡ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔ። ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ ዮሴፍ እየ፡ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉን። ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀይ ኣይትጨነቑ። ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ዘይሕረስንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዩ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኡንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን ገብረኒ። ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹላ ግብጺ ጐይታ ገብረኒ ናባይ ውረድ ኣይትደንጉይ። ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ኹለን ኣብ ቀረባይ ክትከውን፡ ኣብ ምድሪ ጎሴን ክትቅመጥ ኢኻ። ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ ንስኻን ቤትካን ኩሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሓልየልካ እየ። ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ እንሆ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ቢንያምን ይርእያ ኣለዋ። እቲ ኹሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኹምዎ ኹሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ። ኣብ ክሳድ ሓው ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ። ንኹሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞም። ድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ። ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም ዚብል ወረ ተሰምዔ። እዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎ ነሕዋትካ ከምዚ ግበሩ በሎም። እንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተው። ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም። እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ ኣሎኹ። ንሕጻናትኩምን ንንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ውጹ። እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ኹሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ እቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጉሀዩ። ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈራኦን ሰረገላታት ሀቦም፡ ነምገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም። ንነፍሲ ወከፎም ኩሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ። ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ነመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰረት ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደድሉ። ነሕዋቱ ድማ ኣብ መገዲ ኣይትበኣሱ ኢሉ ሰደዶም ከዱ ኸኣ። ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ። ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ንኹላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይኣመኖምን እሞ ልቡ ደንጸወ። እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኩሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ እቲ ኽመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ። እስራኤል ድማ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ ኣሎ ደጊም ይኣኽለኒ፡ ከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ በለ። እስራኤል ድማ ምስ ኩሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤርሸባዕ ምስ በጽሔ፡ ኣቡኡ ንኣምላኽ ኣቡኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲ ያእቆብ ያእቆብ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ እኔኹ በለ። ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ። ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ እሞ ናብ ግብጺ ምውራድ እየ ብርግጽ ድማ ኣነ ኽደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ ድማ በለ። ያእቆብ ድማ ካብ ብኤርሸባዕ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኽመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደይቡ። ያእቆብ ኩሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶም፡ ናብ ግብጺ መጹ። ንደቁን ደቂ ደቁን ነዋልዱን ደቁን ንኹሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽኤ። እቶም ናብ ግብጺ ዝኣተው ደቂ እስራኤል ያእቆብ ደቁን ስሞም እዚ እዩ፡ በኹሪ ያእቆብ ሮቤል። ደቂ ሮቤል ድማ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን። ደቂ ስምኦን ከኣ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርንሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። ደቂ ሌዌ ኸኣ ገርሶንን ቀሓትን መራሪን። ደቂ ይሁዳ ድማ ዔርን ኦናንን ሼላን ፈሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦናንን ሴላን ፋሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦራንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፋዋህን ዮብን ሽምሮንን። ደቂ ዛብሎን ድማ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን። እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳንኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም። ዲና ድማ ጓሉ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኩሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ። ደቂ ጋድ፡ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጾቦንን ዔሪን ኦሮዲን ኣርኤሊን። ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዮምናን ዮሽዋን በሪዓን ሴራሕ ሓብቶምን። ደቂ በሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን። እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሀባ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ዮሴፍን ብንያምን። ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሀግር ግብጺ እተውለደትሉ ኣሰናት ጋል ጳጥፌራ ካህን ኦን ዝወለደትሉ፡ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። ደቂ ብንያም ድማ ቤላዕን ቤከርን ኣሼቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒንሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን። እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም። እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኩሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም። ደቂ ዳን ድማ ሑሼም። ደቂ ንፍታሌም ከኣ የሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሲሌምን። እዚኣቶም ደቂ ቢልሃ፡ እታ ላባን ንራሄል ጋሉ ዝሀባ እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተው ነፍሳት፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ብጀካ እንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኩሎም ስሳን ሹድሹተን ነፍሲ ነበሩ። ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ንነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተው ኹሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ። ንሱ ቀቅድሚኦም ና ጎሴን ምእንቲ ኺመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሴን ከኣ ኣተው። ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ ነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጌሸን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ግዜ በኸየ። እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ ገጽካ ኻብ ርኤኹ ሕጅስ እሙት በሎ። ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቡኡን በሎም፡ ናብፈርኡን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነብሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናብይ መጺኦም ኣለው። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም ኣሞ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኩሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም ኣለው። ኪኸውን ድማ እዩ ፈራኦን ጸዊዑ ተግባርኩም እንታይ እዩ፡ ምስ ዚብለኩም። ጓሳ ዘበለ ግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ ኣብ ምድሪ ጌሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ ገላውኻ ንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትናን ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና፡ በሉ። ዮሴፍ ድማ ኣቱ ፈርኦን፡ ኣቦይን ኣሕዋተይን ምስ ኣባጎዖምን ኣሓኦምን ኩሉ ዘለዎምን ካብ ምድሪ ኸነኣን መጺኦም እንሆ ድማ ኣብ ምድሪ ጎሴን ኣለው፡ ኢሉ ነገሮ። ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብጽሖም። ፈርኦን ከኣ ነሕዋቱ፡ ተግባርኩም እንታይ እዩ በሎም። ንፈርኦን ድማ ገላውኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና በልዎ። ንፈርኦን ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ እዮ እሞ፡ ኣባጊዕ ገላውኻ ዚጓስያሉ ድማ የልቦን እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መጺእና ኣሎና፡ ሕጂ ኸኣ ገላውኻ ኣብ ምድሪ ጎሴን ኪቕመጡ ንልምነካ ኣሎና፡ በልዎ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ። ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ነቦኻን ኣሕዋትካን ከኣ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝበለጸ ኣቐምጦም፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ። ካባታቶም ከኣልቲ ሰባት እትፈልጦም እንተሎካ፡ ኣብ ማለትይ ዋናታት ገብሮም ኢሉ ተዛረቦ። ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብ ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ኣበሎ፡ ያእቆብ ንፈርኡን መረቖ። ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ ዘበን ህይወትካ ኽንደይ ዓመታት እዩ፡ በሎ። ያእቆብ ድማ ንፈርኦን ዓመታት ዘበን ስደተይ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ዓመታት ዘበን ህይወተይ ሒደትን ክፉኣትን እየን። ክንዲ እቲ ዓመታት ዘበን ህይወት ኣቦታተይ ብዘበን ስደቶም ኣይኣኸላን በሎ። ያእቆብ ድማ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚ ፈርኦን ወጸ። ዮሴፍ ከኣ ነቦኡን ነሕዋቱን ኣስፈሮም፡ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብታ ዝበለጸት ምድሪ ኣብ ምድሪ ራዕምሲስ ርስቲ ሃቦም። ዮሴፍ ድማ ነቦኣኡን ነሕዋቱን ንኹሉ ቤት ኣቡኡን ሓለየ፡ ከከም ብዝሒ ቖልዑኦም እናገበረ ይምግቦም ነበረ። እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዔ ድማ ኣብ ኩላ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን። ምድሪ ግብጺስን ምስሪ ኸነኣንን ከኣ ብምኽንያት ጥሜት ቃህመማ። ዮሴፍ ድማ በቲ ዝሸመትዎ እኽሊ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን እተረኸበ ኹሉ ገንዘብ ኣከበ። ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን ኣእተዎ። ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን ገንዘብ ምስ ተወድኤ ድማ ኹሎም ግብጻውያን ናብ ዮሴፍ መጺኦም ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ እንመውት ገንዘብ ተወዲኡ እዩ እሞ፡ እንጌራ ሀበና በልዎ። ዮሴፍ ከኣ፡ ገንዘብ እንተ ተወዲኡስ ማልኩም ኣምጽኡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ክህበኩም በለ። ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራስን ኣብ ክንዲ መጓሰ ኣባጊዕን ኣብ ክንዲ መጋርያ ኣሓን ኣብ ክንዲ ኣእዱግን እንጌራ ሀቦም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ክንዲ ኹለን ማሎም እንጌራ መገቦም። እታ ዓመት እቲኣ ምስ መልኢት ገንዘብ ከም እተውጽኤ፡ ንጎያትይ ኣይንሓብኣሉን፡ እተን መጓሴታት ማል ድማ ምስ ጐይታይ ገለኳ ኣይተረፈን። ከመይ ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት ንኣናን ንምድርናን ብእንጌራ ተሻየጠና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኹን። ምእንቲ ኽንነብር እምበር ኸይንመውት፡ እታ ሃገር ከኣ ኸይትባድምሲ ዘርኢ ሀበና፡ በልዎ። ግብጻውያን ጥሜት ስለ ዝበርትዖም ከኣ፡ ነፍስ ወከፎም ገግራቶም ክትከውን ተሻየጣ፡ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኡን ኮነት። ናታ ህዝቢ ኸኣ ካብታ፡ ሓንቲ ወሲዶም ግብጺ ኽሳዕ እታ ኻልኣይቲ ወሰና፡ ናብ ከተማታት ኣግዐዞ። እቶም ካህናት ካብ ፈራኦን ክትህቡ ኢኹም፡ ኣርባዕትር ኣፍ ከኣ ንኣኻትኩም ንሱ ንዘራኢ ግራትን ንቐለብኩምን ኪኸውን እዩ። በሎም። ንሳቶም ድማ ንስኻ ኣድሓንካና ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞጎስ ንርከብ እምበር ባሮት ፈርኦን ንኸውን በሉ። ንሳቶም ድማ ንስኻ ኣድሓንካና ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞጎስ ንርከብ እምበር ባሮት ፈርኦን ንኸውን በሉ። ንሳቶም ድማ ንስኻ ኣድሓንካና ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞጎስ ንርከብ እምበር ባሮት ፈርኦን ንኸውን በሉ። ዮሴፍ ነዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ ግብጺ ሕምሻ ንፈርኦን ኪኸውን ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሕጊ ኣቐመ። ምድሪ ኻህናት በይና ጥራ ንፈርኦን ኣይኮነትን። እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ሃገር ጎሴን ተቐመጠ። ኣብኣ ኸኣ ተረስተዩ ፈረዩ፡ ኣዝዮም ድማ በዝሑ። ያእቆብ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዓሰረተው ሾብዓተ ዓመት ገበረ፡ ዕድመ ያእቆብ፡ ዝበን ህይወቱ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ኮነ። እስራኤል ከኣ ኺመውት መዓልቱ ቐረበት። ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኢድካ ናብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣእቱ እሞ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸይትቐብሩኒ በጃኻ ምሕረትን እምነትን ግበረለይ። ምስ ኣቦታተይ ምስ ዝድቅስ ግና፡ ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብሮም ቅበረኒ በሎ። ንሱ ኸኣ ኣነ ኸም ዘረባኻ እገብር በሎ። መሐለለይ በለ። መሓለሉ ድማ። እስራኤል ከ እብ ትርኣስ ዓራቱ ሰገደ። ኮነ ድማ ድሕርዚ ነገርዚ ንዮሴፍ እንሆ ኣቦኻ ሓሚሙ በልዎ። ንሱ ኸኣኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ኤፍሬምን ምስኡ ወሰዶም። ንያእቆብ ድማ እንሆ ወድኻ ዮሴፍ መጺኡካ ኢሎም ነገርዎ። እስርኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ በሎ እቲ ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሉዝ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተራእየኒ ባረኸኒ ኸኣ፡ እንሆ ኣነ ኽፍርየካን ከብዝሓካን ንብዙሕ ህዝብታት ከኣ ክገብረካ እየ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ በለኒ። ሕጂ ኸኣ ኣቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ኸይመጻእኩኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ክልቲኦም ደቅኻ ነተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪኾኑ እዮም። ብድሕሪኣኦም እትወልዶም ውሉድ ከኣ ንኣኻ ይኹኑ። ኣብቲ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ይስመዩ። ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ንኤፍራታ ቕሩብ ምስ ተረፈትኒ ኣብ መገዲ ኸለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መገዲ ኤፍራታ ኽኣ፡ ንሳ ቤትልሄም ኣቡኡ ቐበርክዋ። እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ርእዩ፡ እዚኣቶም ኣንታዎት እዮም በለ። ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ፡ እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሀበኒ ደቀይ እዮም በሎ። ንሱ ድማ ክምርኦምሲ በጃኻ ናባይ ኣቕርቦም በለ። ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርግና ኣተላዕለ ለቑተን ነበራ እሞ ኪርኢ ኣይከኣለን። ናብኡ ድማ ኣቕረቦም ንሱ ኸኣ ሰዐሞም ሓቖፎምውን። እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ገጽካ ኣርኢ ኢለ ኣይሓስበኩን ነይረ፡ ኣምላኽ ከኣ እንሆ፡ ንዘርእኻ ድማ ኣርኣየኒ በሎ። ዮሴፍ ከኣ ካብ ኣብራኹ ኣግልስ ኣቢልዎም ብገጹ ናብ ምድሪ ወሲዱ፡ ንኤፍሬም ብየመኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። እስራኤል ድማ ምናሴ በኺሩ ነበረ እሞ ኣእዳው ኣመሓሊፋ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸገመይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። ንዮሴፍ ከኣ፡ እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ ኣተመላለሱ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ። እቲ ኻብ ኹሉ ክፋእ ዘድሓነኒ መልኣኽ፡ ንሱ ነዞም ደቂ እዚኣኦም ይባርኽ። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጽዋዕ። ኣብ ማእከል ምድሪ ንምብዛሕ ድማ ይሰስኑ። ዮሴፍ ከኣ ኣቡኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘነብረ ምስ ረአየ፡ ጎሀየ እሞ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ደልዩ፡ ኒድ ኣቦኡ ሐዛ። ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ከኡ ኣይኮነን፡ እቲ በኹሪ እዚ እዩ እሞ የመነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር በሎ። ኣቡኡ ግና ኣበየ ፈሊጠ ወደይ ፈሊጠ ኣሎኹ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኪኸውን እዩ ንሱ ድማ ዓብዩ ኪኸውን እዩ፡ ዘርኡውን ብዙሕ ህዝብታት ኪኸውን እዩ፡ ድማ በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም እስራኤል፡ ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ከም ምናሴን ይግበርካ፡ ኢሉ ብኣኻ ኺምረቕ እዩ። ንኤፍሬም ከኣ ቅድሚ ምናሴ ገበሮ። እስርኤል ድማ ንዮሴፍ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ። ንኣኻ ድማ እታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሴፈይ ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፍሊ ሂበካ ኣሎኻ። ያእቆብ ንደቁ ጸዊዒ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ዘረኽበኩም ክንግረኩምሲ ተኣከቡ በሎም። ኣቱም ደቂ ያእቆብ ተኣከቡ እሞ ሰምዑ። ነቦኹም እስራኤል ከኣ ጽን በሉ። ሮቤል ንስኻ በኹረይ ኢኻ ሐይለየን ቀዳማይ ጽንዓተይን ብኽብረት ብሉጽ ብስልጣን ከኣ ብሉጽ። ከም ፍሉሕ ማይ ገንፈልካ። ናብ መደቀስ ኣቦኻ ደየብካ ሽዑ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ ብልጫ ኣይትረክብን። ናብ ዓራተይ ደየበ። ስምኦን ሌውን ኣሕዋት እዮም። ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ እዩ፡ ብቑጥዓኦም ሰብኡት ቀተሉ፡ ብኩራኦም ብርቱዕ ነድሮም ከኣ ጨካን ነበረ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክመቓቕሎም ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣታ ይሁዳ ኣሕዋትካ ኼመስግኑኻ እዮም ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም። ኣታ ይሁዳ ኣሕዋትካ ኼመስግኑኻ እዮም ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም። ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ ካብ ምርኮ ደየብካ። ከም ኣንበሳ ተኾርምዮ ደቀሰ፡ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ መን የተንስኦ፡ ሺሎ ሳዕ ዚመጽእ ካብ ይሁዳ በትሪ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ። ንገልገሉ ኣብ ጉንዲ ወይኒ፡ ንዒሉ እታ ኣድጉ ኸኣ ኣብ ብሉጽ ጨንፈር ወይኒ ይኣስር። ክዳውንቱ ብወይኒ ነጻለኡ ድማ ብደም ዘቢብ ይሓጽብ። ኦኢንቱ ብወይኒ ኪቐሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን። ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ መዕረፍ መራኽብ ይነብር፡ ጎድኑ ኸኣ ኣብ ሲዶን ይጽጋዕ። ይሳኮር ሓያል ኣድጊ እዩ፡ ኣብ መንጎ ደምቤታት ማል ይድቅስ። እታ መዕረፊት ጽቡቕቲ እታ ምድሪ ድማ ልምዕቲ ኸም ዝኾነት ረአየ። እሞ መንኩቡ ንምስካም ኣትሐተ ጸዓራይ ግዙእ ድማ ኮነ። ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኮይኑ፡ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ። ዳን ኣብ መገዲ ተመን፡ ኣብ ጓል መገዲ ድማ ቀራን ተመን ኪኸውን እዩ። ንፈረስ ሸኾናኡ ይነኽሶ፡ ንፈረሰኛ ኸኣ ንድሪት የውድቖ። ዎ እግዚኣብሄር ንምድሓንካ እጽበ ኣሎኹ። ንጋድ ጭፍራታት ኬጭንቕዎ እዮም ንሱ ግና እግርእግሮም ኬጨንቖም እዩ። ካብ ኣሴር ስብሒ እንጌራኡ ይመጽእ ንስ ድማ ጣዕሚ ነገስታት ይህብ። ንፍታሌም እተፈነወት እራብ፡ ጥዑም ቃል ዚህብ እዩ። ዮሴፍ ፈራዩት ጨንፈር ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራይት ጨንፈር እዩ። ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ መከባብያ ይዝርግሕ። ቀስተኛታት እዐብዎ ፍላጻ ወርዊሮም ድማ ሰጎጉዎ። ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር ቀላጽም ኣእዳው ድማ ብእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ በቲ ሓላውን ከውሒ እስራኤልን ጸንዓ። በቲ ዚረድኣካ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ በቲ ዚባርኸካ ኹሉ ዚኽእል፡ ካብ ላዕሊ በረኸት ሰማይ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓሚቑ ድማ በረኸት፡ ካብ ኣጥባትን ካብ ማሕጸንን ከኣ በረኸት። ካብ በረኸት ኣቦሓጎታተይ በረኸት ኣቦኻ ይዐዝዝ። ክሳዕ ናብ ወሰን እቶም ኩርባታት ዘለኣለም ይበጽሑ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ ኣብ ናላ እቲ መስፍን ኣሕዋቱ ኪኸውን እዩ። ብንያም ዘራፊ ተኹላ እዩ። ንግሆ ዝዘረፎ ይበልዕ፡ ምሸት ከኣ ዝማረኾ ይመቅል። እዚኣቶም ኩላቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል እዮም። በቲ ኣቦኦም እተዛረቦምን ዝመረቖምን ከኣ እዚ እዩ። ንነፍስ ወከፍ ከከም ምርቓኡ መረቖም። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ዔፎሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬኣብ ምድሪ ኸንኣን ካብ ዔፎን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ዔፎሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬኣብ ምድሪ ኸንኣን ካብ ዔፎን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። ንኣብራህምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበሮምው፡ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሓኤት ተዐደገት። ያእቆብ ንደቁ እዚ ኣዚዙ ምስ ወድኤ ኣእጋሩ ናብ ግራት ኣከበ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት ናብ ህዝቡውን ተኣከበ። ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቡኡ ወዲቑ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ ሰዐሞ ድማ። ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላውኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኪለኽይዎ ኣዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ። መዓልታት ምልካይ ከምኡ እየን ዝፍጸማ እሞ ኣርብዓ መዓልቲ መሊኡኩ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ መዓልታት ሓዘን ምስ ሓለፉ ኸኣኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፡ ኣቦይ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝኾዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክኸይድ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ’ ፈርኦን ድማ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ ነቦኻ ቕበሮ በለ። ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየብ። ኩላቶም ገላው ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኩላቶም ዓበይቲ ሀግር ግብጺ ድማ ምስኡ፡ ኩላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቡኡን ድማ ደየቡ። ቆልዑኦምን ኣብጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታት ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ። ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩሉ። ነቡኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገብረሉ። እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውደ እጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረኣዩ፡ እዚ ዓብዩ መልቀስ ግብጻውያን እዩ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤልሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ። ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዛዞም ገብረሉ። እቶም ደቁ ኸኣ ጸይሮም ናብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ ኣብ በዓቲ ግራት ምክጴላ ቐበርዎ። ዮሴፍ ነቡኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ናቡኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ኹላቶም ናብ ግብጺ ተመልሰ። ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገብርናዮ ኹሉ ኽፉእ ከኣ የድዮና በሉ። ንዮሴፍ ድማ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘ፡ ኢሎም ለኣኽሉ፡ ዮሴፍ እቲ ክፉእ ዝገብሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ በልዎ። ሕጂ ኸኣኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ከኣ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ ንሕና ገላውኻ ኢካ ከኣ በልዎ። ዮሴፍ ድማ ኣይትፍርሁ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፡ ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዝለኦ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ንጽቡቕ ሐአበ። ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩም ንቑልዑኹምን ኪቕልበልኩም እየ በሎም። ኣጸናንዖምን ድማ ንልቦምብ ዜሕጉስውን ተዛረቦም። ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቡኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነብሩ። ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረአየ። ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ። ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺብጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኼድይበኩም እዩ። በሎም። ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽዎተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሓሎም። ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ። እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ። ሮቤል፡ ስምኦን ሌውን ይሁዳን፡ ይሳኮር ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን። ካብ ሕቖ ያእቆብ ዝወጹ ኹላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነብሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ። ዮሴፍን ኩሎም ኣሕዋቱን እቲ ወለዶ ኹሉ ኸኣ ሞቱ። ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰቡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት። ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ። ንሱ ድማ ንህዝቡ እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡ እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ ውግእ ምስ ዝለዐለና ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ ንዑ ንጣበብሎም በሎም። ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብበሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸሙሎም። ንፈርኦን ድማ ጴቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ። ብመጠን እቲ ዘጽበብሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ። ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዐየይዎም። ንህይወትም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ በባዕጥን ብጡብን ብኹሉ ዕዮ መሮርን በቲ ኹሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም። ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ ኣታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጲዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኻን፡ ኣብቲ ዘሓርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ኾነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ኾይና ግን ብህይወት ትንበር። እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈርሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገብራን። ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እተሓድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገብርክን በለን። እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሓሪሰን ይጸንሓ በለኣኦ። ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገብረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዩ ኸኣ በርትዔ። ኮነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገብረለን። ሽዑ ፈርኦን ንኹሉ ህዝቡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኩለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ሕደግወን ኢሉ ኣዘዘ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቆልዓ ምዃኑ ምስ ረኣየት ከኣኣ፡ ስለስተ ወርሒ ሓብኣቶ። ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቖልዓ ናብኡ ኣእይታ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ። ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረኣየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ። ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቖልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ እዚ ኻብ እብራውያን እዩ በለት። ሽዑ እታ ሓብቱ ጓል ፈራኦን፡ ካብተን ኣብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኸጽውዓልኪ ክኸይድ በለታ። ጓል ፈርኦን ከኣ ኪዲ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ። ጓል ፈርኦን ድማ፡ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ እትብውለይ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ክህበኪ እየ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ኾነ። ካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ሙሴ ኣውጽኣትሉ። ኮነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ ኣሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ ኪወቕዖ ረአየ። ናብዝን ናብትን ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ ኣብ ሑጻ ሓብኦ። በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከምይ ንብጻይካ እትወቕዖ፡ በሎ። ንሱ ድማ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፡ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ክትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፡ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነግርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ። ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ። ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። ጓሶት ዳ መጺኦም ሰጎጉወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ። ናብ እቡኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፡ በለን። ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየና በለኦ። ኣዋልዱ ድማ ኣበይ ደኣ ኣሎ። ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግክንኦ፡ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ በለን። ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ። ወዲ ድማ ወለደት እሞ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉሰ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ፡ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። ኣምላኽ ድማ ቁዝማኡም ሰምኤ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣምርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ። ሙሴ ድማ ኣብጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ መጸ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻኹ ቋጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እተን ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቛጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ ኣታ ቛጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን። ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቛጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞኹ ከም ዝይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኪርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቛጥቋጥ፡ ሙሴ፡ ሙሴ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ በለ። ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በለ። ድማ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣብርሃም፡ ኣቦኻ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ያእቆብ ከአ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ ኣሞ ገጹ ኸደነ። እግዚኣብሄር ድማ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእወይዎ ኸኣ ሰምዔ ኣሎኹ። ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኣብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም እየ። ሕጂ ድማ እንሆ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ። እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺተወጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ በለ፡ በሎ። ኣምላኽ ከኣ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኹንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኡ፡ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ ኣንተ በሉንስ እንታይ ክብሎም ኣየ፡ በሎ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ኣቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም። ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ። ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል አኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገብሩኹም ድማ ርኤኹ። ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያን ሒታውያንን ኣሞራውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ። ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኣኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ በልዎ። ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮነስ፡ ንጉስ ግብጽጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሓድገኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ኺወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሓድጎኩም እየ። ነቲ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን መጎስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ ኣቕሓ ብሩርን ኣቅሓ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወደትኩም ኣዋልድኩም ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም። ሙሴ ድማ፡ እንሆ ንሳቶም እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ። እግዚኣብሄር ድማ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በትሪ በለ። ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ደርብያ በሎ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኾነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኣኡ ሓዞ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑውን ሓዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ኾነ። እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኸኣምኑ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፡ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት። ኢድካ ናብ ትሽቱሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽአ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ኾነት። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተዘይኣመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺኣምኑ እዮም። ኪኸአን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዖዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ኣየ ጐይታይ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኮርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ኾነ፡ ቅድሚ ትማሊ ኾነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኮንኩን፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፡ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕውር ዝገብሮኸ መን እዩ፡፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን፡ ሕጂ ኺድ ኣነ ምስ ኣፍካ ኾይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ ኣየ፡ በሎ ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፡ ንሱ ጽቡቕ ተዛረቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኽኣ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጎስ እዩ። ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፡ ንሱ ጽቡቕ ተዛረቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኽኣ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጎስ እዩ። ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኮይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ። ኪኸውን ከኣኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይኾነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትኾኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ። ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ውሰዳ። ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለው ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ክርኢ ክኸይድ በሎ። ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመልሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ። ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመልሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገብረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኬጽንዕ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሓድጎን። ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኣኤል በኹሪ ወደይ እዩ፡ እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ ኣነ ንበኹሪ ወድኻ ክቐትል እየ። ኮነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ኪቐትሎውን ደለየ። ሽዑ ጺጶራ ጽልጽሊ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ እእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፡ ብምኽንያት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት። እግዚኣብሄር ከኣ ናሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኣኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዐሞ ኸኣ። ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ኹሉ ቓልን እቲ ዝኣዘዞ ኹሉ ትእምርትታትን ናኣሮን ነገሮ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንኹሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ። ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ኹሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበብኦምውን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣቶም በልዎ፡ እግዚኣሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ ሕደጎም። ፈርኦን ድማ፡ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ ኣግዚኣብሄር መን እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሓድግ በለ። ንሳቶም ድማ፡ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ። ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኩርዎ ኣሎኹም፡ ናብ ዕዮኹም ኪዱ በሎም። ፈርኦን ድማ፡ እንሆ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም ኣሎኹም በለ። ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይእክቡ ኣምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቐደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም። ቁጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነብሩ ዝግብርዎም፡ ካብኡ እኵ ኣይተጉድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ ኣለው። ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኸበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ። ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፡ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡ ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣከቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጉደል። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኽእክብ፡ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ። እቶብ ሓለቑ ድማ፡ እቲ ነንመዓልቱ ምልኡ ኢሎም ሀወኽዎም። ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪኾኑ፡ ሓለቑ ፈርኦን ዝሸምዎም ድማ፡ እቲ እተመደበልኩም ዕዩ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸምይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፡ ኢሎም ገረፍዎም። እቶም መዕየይቲ ደቂ እራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላውኻ ኸምዚ ትገብረና ኣሎኻ፡ ንገላውኻ ሓሰር ኣይህቡን ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላውኻ እዩ፡ በሉ። ንሱ ግና ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካይት ኢኹም። ስለዚ፡ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ ትብሉ ኣሎኹም። ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቁጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም። ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቑጽሪ ጡብ ኣይተጉድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ። ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለው ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንስቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ። በልዎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹም ይፍረድ ድማ። ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ ጐይታይ፡ ከምይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ፡ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፡ ድማ በለ። ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛርብካላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሓንካዮን፡ ከኣ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ፈርኦን ዝገብሮ ሕጂ ክትርኢ ኢኻ፡ ብሓያል ኢድ ኪሓድጎም እዩ፡ ኤረ ብሓያል ኢድ ካብ ሃገሩ ኺሰጎም እዩ በሎ። ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ በሎ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ኹሉ ዝኺእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም፡ ብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኩሎምን። እታ ተሰዲዶምዋ ዝነበሩ ምድሪ ስደቶም፡ ሃገር ከነኣን ክህቦም ምሳታቶም ኪዳነይ ኣቖምኩ። ኣነ ድማ ቁዘማ እቶም፡ ግብጻውያን ባሮት ዝገብርዎም፡ ደቂ እስራኤል ሰሚዔ፡ ኪዳነይ ዘከርኩ። ስለዚ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም ኣየ፡ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም ኣየ። ህዝበይ ክትኮኑ ድማ እወስደኩም፡ ኣምላኽ ከኣ እኾነኩም። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ዘውጽኣኩም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ናብታ ንኣብሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ክህቦም ኢደይ ዝዘርጋሕ ኩላ ምድሪ ኸኣ ክእትወኩም እየ፡ ንሳ ድማ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጸበባ ነፍሶምን ካብ ምብርታዕ ዕዮኦምን እተላዕለ ንሙሴ ኣይሰድዕዎን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይወጽኡ ኪሓድጎም ተዛረቦ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣንሆ፡ ደቂ እስራኤል እኵ ዘይሰምዑ ንሱ፡ ኣነ ግዳ ኸናፍረይ ዘይግዙር፡ ከምይ ገይሩ ፈርኦን ኪሰምዓኒ፡ ኢሉ ተዛረበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኪኸዱ ኣዘዞም። ሓላቑ ነንይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ ደቂ ሮቤል በኹሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን” ሓጽሮንን ካርሚንን። እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም። ደቂ ስምኦን ድማ ይሙኤልን ያሚንን ኦሓድን ያኪንን ጾሓርን ሻውል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን፡ እዚኣኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም። ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብወለዶኦም እዚ እዩ፡ ጌርሾምንን ቀሃትን መራሪን። ዓመታት ህይወት ሌዊ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ። ደቂ ጌርሾን ሊብኒን ሺምዒን በብማይ ቤቶም። ደቂ ቀሃት ድማ ዓምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። ዓመታት ህይወት ቀሃት ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ። ደቂ መራሪ ኸኣ፡ ማሕሊን ሙሺን ። እዚኣቶም በብወለዶኦም ማይ ቤት ሌዊ እዮም። ኣምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡ፡ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ ኣሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለድትሉ። ዓመታዊ ህይወት ኣምራም ድማ ሚእትን ሰለሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ። ደቂ ይጽሃር ከኣ፡ ቆራሕን ኔፌግን ዚክሪን። ደቂ ኡዚኤልውን፡ ሚሻኣኤልን ኣኤልጻፋንን ሲትሪን። ኣሮን ድማ ንኤሊሸባ ጋል ኣሚናዳብ፡ ሓቲ ናሕሾን፡ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ወለደትሉ። ደቂ ቆራሕ ድማ ኢሰርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን። እዚኣቶም ማይ ቤት ቆራሓውያን እዮም። ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣዋልድ ጲጤኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብዓሌታቶም ሓላቑ ኣቦታት ሌዋውያን እዮም። እቲ ኣሮንን ኣቲ ሙሴን፡ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኼውጽእዎም፡ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ዝበሎም፡ እዚቶም እዮም። እቶም ንደቂ እስራኣኤል ካብ ግብጺ ኼውጽእዎም፡ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ እተዛረቡ፡ እቲ ሙሴን እቲ ኣሮንን እዚኣቶም እዮም። ኮነ ኸኣ፡ በታ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ። እዚ ኣነ ዝዛረበካ ኽሉ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ኸናፍረይ ኣይተገዝረን፡ ከምይ ኢሉ ደኣ ፈርኦን ኪስምዓኒ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ርኤ፡ ኣነ ፈርኦን ኣምላኽ ገብርኩኻ፡ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዩኻ ይኹን። ንስኻ ኣቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነግር፡ ኣሮን ሓውካ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሓድጎም፡ ንፈርኦን ይንገሮ። ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣኣምራተይን ኽብዝሖ እየ። ፈራኦን ከኣ ኣይኪሰምዓኩምን እየ። ኣነ ኸኣ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኽንብር እየ፡ ንሰራዊተይ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ። ግብጻውያን ድማ፡ ኢደይ ናብ ግብጺ ዘርጊሔ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፡ ኪፈልጡ እዮም። ሙሰኢን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ። እቲ ምስ ፈርኦን ኪዛረቡ ኸለው ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ኮይኖም ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ፈርኦን፡ ተኣምራት ኣርእዩኒ፡ ኢሉ እንተ ተዛረበኩም፡ ንኣሮን በትርኻ ወሲድካ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ እሞ፡ ተመን ክትከውን እያ፡ በሎ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈራኦን ኣተው፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገብሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን በትሩ ደርበየ፡ ተመን ከኣ ኾነት። ፈርኦን ድማ ነቶም ጠንቁልቲ ግብጺ፡ ብስራዮም ከምኡ ገብሩ። ነፍስ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፡ ኣትማን ከኣኾና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሐጠተን። ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ንኣታቶም ኣይስምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ ኸይሓድጎ አበየ። ጽባሕ ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ ኣሞ፡ እታ ንተመን እተለወጠት በትሪ ኣብ ኢድካ ወሲድካ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢልካ ተራኸቦ። በሎ ኸኣ እግዚኣኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ ኸገልግሉኒ ሕደጎም፡ እንሆ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕካን፡ ኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። ንሱ ድማ ናብ ደም ኪልወጥ እዩ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዓሳውን ይመውት። እቲ ርባ ድማ ይጻይእ፡ ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ምስታይ ይፍንፍኑ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ። ንኣሮን በትርኻ ወሲድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግልጽ፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝቶምን ናብ ልዕሊ ርባታቶምን ናብ ልዕሊ ቐላያቶምን ናብ ልዕሊ ኹሉ መዕዎር ማዮምን፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ደም ክኸውን እዩ፡ ኣብ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ደም ክኸውን እዩ በሎ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። ንሱ ኸኣ በትሩ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ኹሉ ማይ ከኣ ናብ ደም ተለወጠ። እቲ ኣብ ርባ ዘንበረ ዓሳ ድማ ሞተ። እቲ ርባውን ጸይኤ። ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኮነ ። እቶም ጠንቆልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን። ፈራኦን ነዚ እኳ ድማ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን እሞ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኣተወ። ነቲ ማይ ርባ ኺሰትይዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ ኩላቶም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ርባ ኾዐቱ። እግዚኣብሄር ነቲ ርባ ኻብ ዚወቕዖ ሾብዓተ መዓልቲ ኣኸለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኬድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኬልግለኒ ይኺድ ሕደጎ። ንስኻ ሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንኹላ ሃገካ ብቑርዖብ ፈለኽለኽ ኪብል እዩ። እቲ ርባ ድማ ብቑርዖብ ፈለኽለኽ ክብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ኪኣትዋ እየን። ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኩሎም ገላውኻን ቁርዖብ ኬድይባኹም እየን በሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን ናብ ልዕሊ ወሓዚትን ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቑርዖብ ኣደይብ በሎ። ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሔ፡ እተን ቁርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደናኦ። እቶም ጠንቆልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቑርዖብ ኣደየቡ። ሽዑ ፈራኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ካባይን ካብ ህዝበይን ቁርዖብ ኬርሕቐለይ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ይኺድ ክሓድጎ እየ በሎም። ሙሴ ንፈርኦን ኣተን ቁርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ኪጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋስ ምእንታኻን ምእንቲ ገላውኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምን ብኽብረትካ ቑረጸለይ፡ በሎ። ንሱ ድማ ንጽባሕ በለ፡ እሞ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኼምዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። እዘን ቁርዖብ ካባኽን ካብ ኣብይትኻን ካብ ገላውኻ ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋ እየን፡ በለ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽኤን ቁርዖብ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቁርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ። እናኣከቡ ኾመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት። ፈርኦን ግና ዕረፍቲ ኸም ዝኾነ ምስ ረአየ፡ ልቡ ኣትረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮንን፡ በትርኻን ዘርግሕ ነቲ ደበቑበቛ ምድሪ ውቕዓዮ፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ድማ ጻጹት ኪኸውን እዩ በሎ። ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ደበቑቦቛ ምድሪ መቕዖ፡ ናብ ሰብን ናብ ማልን ድማ ጻጹት ኮነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኹሉ ደበቑበቋ ጻጹት ኮነ። እቶም ተንቆልቲ ድማ ብስራዮም ጻጹት ከኣ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ኮነ። እቶም ጠንቆልቲ ድማ ንፈርኦን እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ናብ ቅድሚ ፈርኡን ከኣ ደው በል። እንሆ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ እሞ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ። ንህዝበይ እንተ ዘይሓደግካዮ ድማ እንሆ ናባኻን ናብ ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያንን እታ ዚነብሩላ ምድርን ከኣ ብጽንጽያ ኸልቢ ኺመልኣ እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ምድሪ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ነታ ህዝበይ ዝነብረላ ምድሪ ጎሴን ጽንጽያ ኼልቢ ዜብላ ገይረ ኽፈልያ እየ። ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ምፍልላይ ክገብር እየ። እዚ ትእምርቲ እዚ ጽባሕ ክኸውን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ከምኡ ገበረ። ናብ ቤት ፈርኦን ናብ ቤት ገላውኡን ብዙሓት ዕስሌታት ጽንጽያ ኸልቢ መጹ። ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ ድማ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ናኣሮንን ጸዊዑ፡ ኪዱ ኣብዛ ሃገር ንኣምላኽኩም ሰውኡ በሎም። ሙሴ ግና እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ፡ ርኽሰት ግብጻውያን እዩ እሞ፡ ከምዚ ኼግበር ኣይቅኑዕን። እቲ ርኽሰት ግብጻውያን ዝኾነ ኣብ ቅድሚኦም ኣንተ ሰዋእናስ፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፡ ከምቲ ዚብለና ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእሲ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ንኺድ በለ። ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ባአረኻ ኽትስውኡሉ ኽሓድገኩም እየ። ምእንታይ ድማ ለምኑ፡ ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ በለ። ሙሴ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻባኻ እወስእ ኣሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክልምን እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈራኦንን ካብ ገላውኡን ካብ ህዝቡን ጽባሕ ኪኸዱ እዮም። ፈራኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ምሕዳጉ ኸይኣቢ፡ መሊሱ ኣይጠብረና በለ። ሙሴ ድማ ካብ ፈራኦን ወጸ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ለመነ። እግዚኣብሄር ድማ ሙሴ ኸም ዝበሎ ገበረ። ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኻብ ፈርኦንን ካብ ገላውኡን ካብ ህዝቡን ሓደኳ ኸይተረፈ ኣርሓዎም። ፈርኦን በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ልቡ ኣትረረ፡ ንህዝቢ ኸኣኣ ኣይሓደጎን። ኣግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈራኦን ኣቲኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም። ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቢኻ፡ ገና እንተ ሕዝካዮም፡ እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣብጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ። ኣግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ፡ ካብ ኩለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን። እዝጊኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ጊዜ ቖረጸ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ። ንጽባሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረ። ኩለን ማል ግብጺ ድማ ሞታ፡ ካብ ማል ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ፈርኦን ከኣ ለኣኸ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝቢውን ኣይሓደጎን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ሓንቲ ሓሙኹስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ።። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጎጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ በሎም። ሽዑ ሓሙኹስቲ ኣቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኮነ። ኣብቶም ጠንቁልትን ኣብ ኩሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ክነ፡ እሞ እቶም ጠንቆልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እዞ ኣይሰምዖምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንህዝበይ ኬገልግሎኒ፡ ይኺዱ ሕደጎም። ኣብ ኹላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ኩሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ። ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስ፡ ኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቕዕኩኻ ነይረ። ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኩላ ምድሪ ምእንቲ ኽውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣነብርኩኻ። ከይትሓድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣሎኻ። እንሆ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኮነ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ። ኣብ መሮር ኣብ ኣትረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይአተወን ኩሉ ሰብን እንስሳን በረድ ኪወርድ እዩ። ኪሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኸካ ማልካክን ኣብ መሮር ዘሎካ ኹሉን ኣክብ። ካብ ገላው ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሄ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ። እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እማ፡ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ኹሉ ብቑሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ በሎ። ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጉድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ። በረድ ከኣ ኾነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋኛጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸምኣ ዝበለ ዘይኮነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ። እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ኹሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ፡ እቲ በረድ ድማ ንኹሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ። ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጌሽን ጥራይ በረድ ኣይነበረን። ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና። ነጉዲ ኣምላኽን በረድን ኪኣክልሲ፡ ናግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሓድጎኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዛ ኣይትቑሙን፡ በሎም። ሙሴ ኸኣ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእሳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጉዲ ይሓድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን። ንስኻን ገላውኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይፈራህኩም እፈልጥ ኣሎኹ በሎ። ስገም ሰዊት፡ እንጣጢዕ ከኣ ጉዑ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዔ። ስርናይን ስዔልትን ግና ድሑር ዘርኢ እዩ፡ እሞ ኣይተወቕዔን። ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ካብ እታ ኸተማን ወጸ ኣእዳው ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጉድን በረድን ድማ ሃደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን። ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነግይድን ከም ዝሓደገ ምስ ረኣየ፡ ሓጢኣት ወሰኸ፡ ንሱን ገላውኡን ድማ ልቡ ኣትረረ። ኣሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሓደጎምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ከገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻዋይን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትኣምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ ኣነ ንልቡን ልንቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፈርኦን እቶ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ከገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻዋይን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትኣምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ ኣነ ንልቡን ልንቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፈርኦን እቶ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትተሐት እትኣቢቢ፡ ንህዝበይ ከገልግሉኒ ሕደጎም። ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ ኣንተ ኣቤኻ ግና እንሆ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። ንምድሪ ኸኣ ኪኸድና እየ፡ ገጽ ምድሪ እኵ ኺርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ኪበልዖ እየ። ነተን ኣብ መሮር ዘዐብያልኩም ኩለን ኣእዋም ከኣ ኼብልዔን እዩ። ኣባይትኻን ኣባይቲ ኹሎም ገላውኻን ኣባይቲ ኹሎም ግብጻውያንን ኪመልእ እዩ። ከማኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣየረኣዩን። ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኡን ወጸ። ንፈርኦን ድማ ገላውኡ ክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ኪኾነና እዩ፡ ነዞም ሰባት፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኬገልግሉ፡ ሕደጎም። ግብጺ ኸም ዝጠፍኤትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፡ በልዎ። ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ ኪድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ። እቶም ዝኸዱ ግና መነመን እዮም፡ በሎም። ሙሴ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናኣሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢና ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢና በለ። ንሱ ድማ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሕደግኩኹም ከምኡ፡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኻትኩም ይኹን። ርኣዩ ክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ። ከምኡ ኣይኮነን፡ ሰብኡት ደኣ ኺዱ ኝእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጎግዎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺድይብ እሞ፡ ንኹሉ ብቑሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኹሉን ኪበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ በሎ። ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርጊሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብኹላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኹላ ለይቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽኤ። እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ግብጺ ደየበ። ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዝሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን። ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኩላ ምድሪ ኸደና። ንኹሉ ብቑሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኹሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቑሊ ግራት ኣይተረፈን። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንእሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን በደልኩ። ሕጂ ግና እዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ በደልይ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ኬርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ እሞ ንደቂ እስራኤል ኣይሓደጎምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ጸልማት ዚርምስስ ጸልማት እኳ ደኣ ይኹን በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኮነ። ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ካብ ምቕማጡ ኸኣ ሓደ እኵ ኣይተንስኤን። ንኹሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ እተመጥዎ ብርሃን ገብረ። ፈርኦን ድማ ንሙሰኢ ጸዊዑ፡ ኪድ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ ኣብዝጊዕኩምን ኣሓኹምን ጥራይ ይትረፉ። ቑልዑኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ በሎ። ሙሴ ኸኣ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ኢድና ኽትህበና ኢኻ። ኣቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣነገልግለሉ ኻብኤን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ስለዚ ማልና ድማ፡ ሓንቲ ሸኾና ኸይተረፈት ምሳና ኪኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብኣ ኽሳዕ እንበጽሕ፡ ንእግዚኣብሂር ብምንታይ ከም እነገልግሎ ኣይንፈልጥን ኢና በለ። ኣግዚኣብሄር ግና ልቢ ፈርኦን ኣትረረ፡ እሞ ኺሓድጎም ኣይፈተወን። ፈርኦን ድማ፡ ካብይ ኪድ ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ በሉ። ሙሴ ኸኣ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹን፡ ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእን በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈራኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሓድጉኩም እየ። እቲ ኺሓድገኩም ከሎ ድማ ደፊኡ፡ ኪሰጎኩም እዩ። እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጎረቤቱ ነፍሲ ወከፍ ስበይቲ ድማ ካብ ጎረቤታ ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ውርቅን ይለምኑ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦ። ሙሴ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላው ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዩ ዓብዩ ነበረ። ሙሴ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ በለ፡ ኣነ ፍርቂ ለይሪ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ። ኩሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ ካብ በኹሪ ኣቲ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ እታ ኣብ ምድሪ ምጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ። ኣብ ኩላ ሀገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ዘይኮነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዝይከውን ዓብዩ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ ኣንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን። እዞም ገላውኻ ኹሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም። ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ኹሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኩብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቑጥዓ ተናዲዱ ወጸ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕን ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ኹሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴንን ናሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀምርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም። ንኹሉ ኣኸኢባ እስራኣኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል ነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ። እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዚውሕዱ እንተ ኾኑ፡ ንሱን እቲ ቤቱን ዝቐረበ ጎረቤቱን ብቑጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድ። ነፍስ ወከፍ ከም ዚበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቁጸሩ። ዓመት ዝገበረ፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ገንሸ ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ። ኣብዛ ወርሒ ኢዚኣ ኸኣ ኽሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሓልውዎ። ሽዑ ኹሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ። ኣብታ ዚብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶም ንኽልቲኦም ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ። ነቲ ስጋኡ ድማ በቲ ለይቲ እቲኣ ይብልዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ ኣምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ኾነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ንሓዊ ኣንድድዎ። ከምዚ ጌርኩም ድማ ከተብልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቕኹም ተዐጢቕኩም፡ እሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንሳሳ፡ ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ ኣብ ኩሎም ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተንን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሓልፈኩም እየ። እቲ ዚጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን። እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብልዕዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብልዕዋ። ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ክሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዑ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቁረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቑ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዩ ኣይገበር። እቲ ንነፍስ ወከፍ ዚበልዖ ንሱ ጥራይ ይተዐየየልኩም። ነዚ በዓል ቅጫ ሓልውዎ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ብሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺኤዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ንመበል ኦኣሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒ፡ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። ወሰንተኛ እንተ ኾነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቑ ኣይረኸብ። ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ። ሙሴ ድማ ንኹሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎም፡ ነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሓሪኹም ውሰዱ እሞ ፋሲጋ ሕረዱ። ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዝለኦ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ብጊሓት ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ። እግዚኣብሄር ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ፡ እግዚኣብሄር ነታ ደገ ኺሐልፉ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቕዓኩም ኣይሕድጎን። ኣዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኽን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልው። ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ። ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋንይ ዚቕመጥ በኹሪ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ ኣቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ቐተለ። ሽዑ ፈርኦን፡ ንሱን ኩሎም ገላውኡን ኩሎም ግብጻውያንን ብለይቲ ተንስኡ። ምውት ዜብላ ቤት ኣይነበረትን እሞ፡ ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ዋይዋይታ ኾነ። ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ ድማ፡ ንስኻትኩም ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኩም ኣሓኹምን ውሰዱ። ኪዱ እሞ ንኣይ ከኣ መርቑኒ፡ በለ። እቶም ግብጻውያን ድማ፡ ኹልና ኽንመውት ኢና፡ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ሃገር ቀልጢፎም ኬውጽእዎም ሀወኽዎም። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሒቖም ገና ኸይበኹዔ ወሰድዎ፡ ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኩቦም ጸርዎ። ደቂ እስራኤል ከኣኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። ካብ ግብጻዋያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ኹሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞጎስ ሀቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣኣ ገፈፍዎም። ደቂ እስራኤል ድማ ብዘይ ቑልዑ ሸድሹተ ሚእቲ ሽሕ ዚኣክል ኣጋር ካብ ራዕምሴስ ናብ ሱኮት ተጓዕዙ። ምስኦም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣባጊዕን ኣሓን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየበ። ኣቲ ካብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቑ ኣይበኹዔን ነበረ እሞ፡ ካብኡ ቅጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብጺ ስለ ኣተሰጉ፡ ኪድንጉዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ስንቆም ኣየዳለውን ነበሩ። ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኣዩ። ኮነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፡ በታ መዓልቲ ኣቲኣ ኾነ፡ ኹሎም ሰራዊት ኣግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ። እዛ ለይቲ እዚኣ፡ ብእኣ ብብኹሎም ደቂ እስራኣኤል ንውሉድ ወለዶኦም ፍጹም ንእግዚኣብሄር እተሓለውት እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን በሎም፡ ሕጊ ፋሲጋ እዚ እዩ፡ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ። ብገንዘብ እተዐደገ ባርያ ግና፡ ምስ ገዘርካዮ፡ ካባኡ ይብላዕ። ስደተኛን በዓል ዓስብን ካብኡ ኣይብሎኡ። ኣብ ሓንቲ ቤት ይብላዕ፡ ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ንግዳም ኣይተውጽእ፡ ዓድሚ ድማ ኣይትስበሩ። ኩሉ ኣኼባ እስራኤል ነዚ ይግበሮ። ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ ንእግዚኣብሄር ፋሲጋ ኺገብር እንተ ደለየ፡ ምስኡ ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ይገዘር፡ ሽዕ ኺገብር ይቕረብ፡ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዝይግዙር ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ። ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። ኩሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ገብሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ገበሩ። ኮነ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኩሉ በኹሪ ናኣይ ቀድሶ ኢሉ ተዛረቦ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኩሉ በኹሪ ናኣይ ቀድሶ ኢሉ ተዛረቦ። ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለ፡ እዝጋኢባሄር ብሃያል ኢድ ካብኣ ኣውጺእኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዘውጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፡ ብኹዕ ከኣ ኣይበላዕ። ንስኻትኩም ብወርሒ ኣቢብ ሎሚ ትወጺ ኢኹም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኺህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣኣተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ። በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ ኣባኻ ብኹዕ ኣይርኤ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንወድኻ ኸምዚ ኢልካ ትነግሮ፡ ዚ ብዛዕባቲ ካብ ግብጺ ምስ ወጻእኩ እግዚኣቤር ዝገበረለይ እዩ። እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ኪኸውን ኣብ ኢድካ ንምልክት ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከሪ ይኹንካ። ነዚ ሕጊ እዚ በቲ ምዱብ ጊዚኡ ዓመት ንዓመት ሓልዎ። ይኹን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ነኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምስሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእትወካ፡ ንኣኻ ምስ ሀበካ፡ ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ኹሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ። ኩሉ በኹሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፡ እንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ሰበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ በኹሪ ንዘበለ ኹሉ ሰብ ተበጀዎ። ኪኸውን ድማ እዩ ንዳሕራይ ወድኻ እዚ እንታይ እዩ፡ ኢሉ ምስ ሓተትካ፡ ንስኻ፡ ንእግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። ኮነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ኹሉ በኹሪ፡ ካብ በኹሪ ሰብ ክሳዕ በኹሪ እንስሳ፡ ቀቲሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በኹሪ ንዝኾነ ኹሉ እብጅዎ፡ ትብሎ። እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጽኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ። ኮነ ድማ፡ ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሕደጎም፡ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ዚርእዩ፡ ተጣዒሶም ናብ ግብጺ ኸይምለሱ ኢሉ ነበረ እሞ፡ እታ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ንሳ ቐረባ ኽነሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን። ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ኤርትራ ኣዞሮ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ። ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብርግጽ ኺበጽሓኩም እዩ፡ ሽዑ ነዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉ ማሕላ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ድማ ንዓጽሚ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ። ካብ ሱኮ ነቖሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን በረኻ ሰፈሩ። ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኺጎዐዙ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ኸኣኣ ኼብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቐቕድሚኦም ይኸይድ ነበረ። እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኣይተፈልየን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ። ንደቂ እስራኤል፡ ተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት ኪሰፍሩ፡ ንገሮም። ኣብ መንጽር በዓልጸፎን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ሰፈሩ። ፈርኦን ድማ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፡ በረኻ ውጢጥዎም ኣብ ምድሪ ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው፡ ኪብል እዩ። ኣነ ድማ ንሊቢ ፈርኦን ከትርሮ ኣየ፡ ንሱ ኸኣኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ፈርኦን በብኹሉ ሰራዊቱ ከኽብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ድማ ንንጉስ ግብጺ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሀደመ ነገርዎ። ልቢ ፈርኦንን ገላውኡን ከኣ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ተለወጡ፡ ከይግዝኡናስ ንእስራኤል ብምሕዳግና እንታይ እዩ ዝገበርናዮ፡ ድማ በሉ። እሞ ሰረገላኡ ኣዳላወ፡ ህዝቡውን ምስኡ ወሰደ፡ ሹድሹተ ሚእቲ ሕሩያት ሰረገላታትን ኩለን ሰረገላታትን ግብጽን ኣብ ኩለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ። እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትረሮ እሞ፡ ንሱ ደድሕሪ እቶም ብልዕልቲ ኢድ ዚወጹ ዝነበሩ ደቂ እስራኣኤል ገስገሰ። ግብጻውያን ድማ፡ ኩሎም ኣፋስ ፈርኦንን ሰረገላኣትቱን ፈረሰኛታቱን ኩሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ጲሃሒሮት ኣብ መንጽር በዓል ጸፎን ሰፊሮም ከለው ኣርከብዎም። ፈርኦን ምስ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዐሉ፡ እንሆ ኸኣ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ። ንሙሴ ድማ፡ ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን፡ ካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ፡ ንምንታይ እዚ ገብርካና። እቲ ኣብ ግብጺ ዝበልናካኸ እዚ ነግርዚዶ ኣይኮነን፡ ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሔሸና እሞ፡ ንግብጻውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናን፡ በልዎ። ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ ሎሚ ዝገብረልኩም ርአዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምን። እዝጋኢብሄር ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ በለኦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ስለምንታይ ናባይ ኣትምህለል፡ ንደቂ እስራኤል ኪጉዐዙ ንገሮም። ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተው። ኣነ ድማ እንሆ፡ ልቢ ግብጻውያን ከትርር እየ። ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ኪኣትው እዮም እየ፡ ብፈራኦንን ብኹሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ከኽብር እየ። ብፈራኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ምስ ከበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኺፈልጡ እዮም። እቲ ብቕድሚት ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ። ናብ መንጎ ሰፈር ግብጽን ሰፈር እስራኤልን ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ፡ ነታ ለይቲ ኸኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ። እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ። ደቂ እስራኣኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማኽከል ባሕሪ ኣተወ። እቲ ማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ። ግብጻውያን ድማ ኹሎም ኣፍራሽ ፈራኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል ባሕሪ ምስ ኮነ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም። ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኩራኹሩ ኣምለቑ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ። ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኩራኹሩ ኣምለቑ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ በሎ። ሙሴ ኸኣኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ፡ እቲ ባሕሪ ድማ ብጊዜ ጽባሕ በርቲዑ ናብ ምውሓዙ ተመልሰ፡ ግብጻውያን ከኣ ኪሀድሙ ኸለው ተጓነፍዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም። እቲ ማያት ከኣ ተመልሰ፡ ነቶም ደድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተው፡ ንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንኹሉ ሰራዊት ፈርኦንን ድማ ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ከዱ፡ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ኮነሎም። ከምኡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአየ። እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገብራ ዓባይ ኢድ ረአየ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ። ብእግዚኣብሄር ብባርይኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ። ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱን ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ሃሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይ መዝሙረይን እዩ። ምድሓነይ ከኣ ኮነኒ እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከኽብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሓሉ። መዓሙቑ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ። ጐይታይ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጐይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ። ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡኻ ጨፍለቕካዮም፡ ቑጥዓኻ ሰደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም። ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተኾመሩ። ወሓዝቲ ኸኣ ከም ኩምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባህሪ ረግኡ። እቲ ጸላኢ ኸኣ፡ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኺመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም በለ ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጎልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሓሉ። ዎ እግዚሄር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፡ ብምስጋና ኣተፈራህካ፡ ገበር ታኣምራት፡ ብቕድስናኻ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፡ የመነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም። ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጤኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሓዞም። ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሒዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ኹሎም መኸኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቆም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተኽሎምን፡ እግዚኣብሄር ንወርትግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ። ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተው፡ እዝጋኢብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሓሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኣኤል ግና ብማኣከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ። ነብዩት ማርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኩለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለስትሎም፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛታትን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ። ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ በረኻ ኸዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣኣ ንሙሴ እንታይ ክንሰቲ ኢና፡ ኢሎም ኣጉረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርእዩ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣባኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ገብርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን ኣንተ በልካ፡ ኩሉ ሕጋጋቱ ድማ ኣንተ ሓሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሓማም ኣይትሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ ወጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ። ኩሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤልምን ሲናን ናብ ዘላ በረኻ ሲን መጹ። ኩሎም ኣኬባ ደቂ እሰራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጉረምረሙሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ኣብ ጥቃ ቑራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና እንጌራ ኽሳዕ ኣንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት መንምሀበና። ንስኻቱም ነዚ ኹሉ ኣኺባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና በልዎም። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኽዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ኾኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ እናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብሳድሰይቲ መዓልቲ ኼዳልው ዘምጽእዎ ነቲ ነንመዓልቲ ዚርእይዎ ኻዕበቱ ይኹን። ሙሴን ኣሮንን ድማ ንኹሎም ደቂ እስራኤል እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጽኣኩም፡ ምሽት ክትፈልጡ ኢኹም። ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትሪኡ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጉሩምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጉረምርሙልናስ፡ ንሕና እንታይ ኢና በልዎም። ሙሴ ድማ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዝኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጉረምረምኩምሉ ምጉርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ ንሕና እንታይ ኢና፡ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኮንኩምን ዘጉረምረምኩምልና በለ። ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ንኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ምጉርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም በሎ። ኮነ ኸኣ፡ ኣሮን ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረበ፡ ንሳቶም ንበረኻ ገጾም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ተራእየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ምጉርምራም ደቂ እራስኤል ሰሚዔ እየ እሞ፡ ምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምኳነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ኢልካ ተዛረቦም። ኮነ ኸኣ፡ ንምሸቱ ብርኒጎታት ተላዒለን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዝዓ ወዲቑ ነበረ። እቲ ዛዕዝዓ ምስ ዘፈፈ ኸኣ፡ እንሆ፡ ገጽ ኣቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ፡ ከም ኣሳሕይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ኣሞ፡ እዚ እንታይ ኣዩ፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ። ሙሴ ኸኣ እዚ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሀበኩም እንጌራ ኣዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዚ እዩ፡ ነፍስ ወከፍ ንብልዑ ዚኣክል ካብኡ ይኣከብ። ከም ፍቕዲ ነፍሳትኩም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ጎመር፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ድንኳኑ ዘለው ይውሰደሎም፡ በሎም። ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገብሩ። ሓደ ብዙሕ ሓደ ኸኣ ሒደት ዝኣከበ ኣየትረፈ፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ ኸኣ ኣየጉደለ። ነፍስ ወከፍ እቲ ብልዑ ዚኣኽሎ ኣከበ። ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንብጽሒቱ ኣየትርፍ በሎም። ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንብጽሒቱ ኣየትርፍ በሎም። ንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካባኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉ፡ ንሱ ኸኣ ሕሰኸ፡ በድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደ። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ መጠን ብልዑ ዚኣክል ይእክብ ነበረ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና መኸኸ። ኾነ ኸኣ፡ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጌራ ኻዕበት ኣከቡ፡ ክልተ ጎመር ንሓደ። ኩሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ እግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰነበት እያ፡ እትስንክተዎ ሰንክቱ፡ እተፍልሕዎውን ኣፍልሑ። እቲ ዝተረፈ ኹሉ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ይተሐለወልኩም በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ ንጽባሕ ኣንበርዎ፡ ንሱ ኣይበድበድን ኣይሕሰኸን ድማ። ሙሴ ኸኣ ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰነበት እያ፡ ሎሚ ኣብ መሮር ኣይትረኽቡን ኢኹም እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ። ሹዱሽተ መዓልቲ ኣከቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእእ ኣይርከብን እዩ፡ በለ። ኮነ ድማ፡ ካብቶም ህዝቢ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኺእከቡ ወጹ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይ ሓጋጋተይን ምሕላው እትኣብዩ፡ ርአዩ፡ ኣግዚኣብሄር ሰንበት ሂብኩም እዩ እሞ፡ ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ይህበኩም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍርኡ ኣይውጻእ በሎ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ። ቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎ። ፍረ ጻቅዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ። ሙሴ ድማ በለ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኣኩም ከሎኹ ኣብ በረኻ ዝመገብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብኡ ሓደ ጎመር ምልኡ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ይተዐቑር፡ ኢሉ እዚ ነገርዚ ኣዘዘ። ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣቕሓ ኣምጻእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ፡ ንውሉድ ውለዶኹም ኪዕቑር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ በሎ። ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኪዕቁር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮ። ደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሀግር ከነኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ። ጎመር ግና ዓስራይ ኣፍ ኤፋ እዩ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ። ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ፡ ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴ፡ ስለምናትይ ኢኻ፡ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፡ ኢሎም ኣጉረምረሙሉ። ሙሴ ድማ፡ ነዚ ህዝብዚ እንታይ ክገብሮ እየ፡ ብዳርባ ኣምኒ ኪቐትለኒ ቕሩብ ተሪፍዎም ኣሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። እንሆ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደብ ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ክትወቕዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስተ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ብዛዕባ እቲ ቛየቛ ደቂ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር፡ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ ኣሎ ወይ ኣይፋሉን፡ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎ፡ ስም እታ ቦታ ማሳን መሪበን ኣውጽኡላ። ሽዑ ኣማሊቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋጋኤ። ሙሴ ድማ ንእያሱ፡ ሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሊቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ ኣቲ ኹርባ ደው ክብል እየ በሎ። ኢያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሊቅ ከኣ ተዋግኤ። ሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኹርባ ደየቡ። ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ። ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሐደ በቲ ኾይኖም ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ ኣትዐርብ ጸንዓ። እያሱ ድማ ንኣማሊቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሊቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺሙ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ፡ ንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮ በሎ። ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሊቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ። ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሊቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ። የትሮ ካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴ፡ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡን እስራኤልን ዝገበሮ ኹሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኤ፡ ሰምዔ። ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴ፡ ንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ። ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ኾንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጽኣሉ። ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጽኣሉ። የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ። ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙኻ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ ኣለኹ በሎ። ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ኪቕበል ወጸ፡ ሰገደሉ ሰዐሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድኳን ከኣ ኣተው። ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ኹሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኩሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ። የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑ ዝገበሮ ኹሉ ጽቡቕ ነገር ተሐጎሱ። የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሓነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዝድሐነ እግዚኣብሄር ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዐቢ ሕጂ ፈልጥኩ፡ በለ። የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። ኮነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ኹሉ ምስ ረኣየ፡ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ፡ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኩሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በንኻ ኾፍ እትብል በሎ። ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ፡ ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሓጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ፡ እሞ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃላአይ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ። ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሀሮም፡ ዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም። ንስኻ ኻብ ኩሉ ህዝቢ ኽኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሸመሎም። ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዩ ነገር ዝኾነ ኹሉ ናባኻ ይምጽኡ። ኩሉ ንእሽቶ ነግር ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈኹሰካ። እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ እዚ ህዝብዚ ድማ ናብ ቦትኡ ብሰላም ይአቱ። ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ ዝበሎ ኹሉ ገበረ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኩሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቑ ኪኾኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም። ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ኩሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ። ሙሴ ድማ ንሓሙስ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣኣ ናብ ሃገሩ ኸደ። ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ። ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈሩ። ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎ፡ ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ነገሮም፡ ኣቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎን፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹም ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም። ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሓሎኹም፡ ኩላ ምድሪ ናተይ እያ ኣሞ፡ ሓላፉ ኹሎም ህዝብታት ገንዘብይ ክትኮነኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኮነኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ። ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸዊዔ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ቓላት ነገሮም። ኩሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ኾይኖም እግዚኣብሄር ዝበሎ ኹሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ኪኣኣምኑኻስ፡ እንሆ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጸካ እየ በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውብቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለው። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውብቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለው። ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከዮ ዘበለ ሞት ይሙት። ገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ኾነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ። ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓጸቡ። ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሰልሰይቲ መዓልቲ ተዳለው፡ ናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡ በሎም። ኮነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጉድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኮነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፍር ዝነበረ ኹሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ። እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኩሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገ። ኩሉ እቲ ኸረን ከም ትኪ እቶም ካብኡ ዐረገ። ኩሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ። እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ። ሙሴ ኸኣ ደየበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ውረድ ኣሞ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪርእዩ ኸይቀረቡ፡ ብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስ፡ ኣጠንቅቆም። እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፋኦም ርእሶም ይቀድሱ በሎ። ሙሴ ኸኣኣ ንእግዚኣብሄር በሎ ንስኻ፡ ናብ ዙርያ ኣቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ ኣቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይኽእሉን። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄር ኪድይቡ ኢሎም ኣይጥሐሱ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም። እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ። ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሹተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ኹሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እየ ኣሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻብ ቀደሳን። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። ቤት ብጻይካ ኣይተትመነ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ኹሉ ድማ ኣይትተምነ። ኩሎም ህዝቢ ድማ ነጉድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ክተክኽን ረአዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረአዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ። ሙሴ ኸኣ ንቶም ህዝቢ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኸውን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጻ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቁመ፡ ሙሴ ኸኣ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረበኩም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣምልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩላ ኹሉ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መስውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዮ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ። እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ። እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ፡ ሹድሹተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ። በይኑ እንተ ኾይኑ ዝመጾ፡ በይኑ ይውጻእ። በዓል ሰበይቲ እንተ ኾይንይ እታ ሰበይቱ ኸኣ ምስኡ ትውጻእ። ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሀቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኹኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ። እቲ ብርያ ግና፡ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ ኣሎኹ፡ ሓራ ኣይውጽእን፡ እንተ በለ፡ ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕዶ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ፡ እቲ ጎይትኡ እዝኑ ብመስፈ የንኩሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ። ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዚወጹ ባሮት ኣይትውጻእ። ነቲ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶ፡ ሓራ የውጽኣያ። እንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢ ኺሸጣ ኣይግብኦን። ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዚግባእ ይግበረላ። ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለበት ክዳናን ከም ሰበይቱ ዚግባእ ኣይጉድለላ። እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ። እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት። ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ኾይኑ፡ ንሱ ዚሐድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ። ሰብ ተተናኹሉ ንብጻዩ ብጉርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ኪመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ። ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት። ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝገረመ ሞት ይሙት። ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዐሚኹ ኣንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት ኣንተ ደቀሰ፡ በትሩ ተመርኩሱ ኸኣ ንግዳም ኪወጽእ እንተ ኸአለ፡ እቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኮሮ ጊዜ ጥራይ ይኽሓሶ፡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሐዊ ኸኣ የፈውሶ። ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ብርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞቶ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ። ሓንቲ ውይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ ኣይቀጻዕ። ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጉድኣት ኣንተ ዘይኮነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዐኖ ኻሕሳ ይኽሕስ፡ ፈራዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጉድኣት እንተ ኾነ ግና ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቑስሊ ቁስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ። ሰብ ዓይኒ እቲ ባርይኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርይኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፍኤ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ። ስኒ እቲ ባርይኡ ወይስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዩ። ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ ኣንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ኾነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለው እንተ ዘይሐለዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቐተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት። ጋር ነፍሱ ይሀብ። ወዲ እንተ ወግኤ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግኤ ኸኣ፡ ኸምዚ ፍርዲ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግኤ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ሰብ ጉድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጉድጓድ ኣንተ ኾዐተ እሞ ኣንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡ ሰብ ጉድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጉድጓድ ኣንተ ኾዐተ እሞ ኣንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡ እቲ በዓል ጉድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን። ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ምውት ከኣ ይማቐልዎ። እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሐለዎ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ይኽሐስ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን። ሰብ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ ወይ እንተ ሸጦ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስ። ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኸበ፡ ወቒዖምዎ ኸኣ እንተ ሞተ ዕዳ ደም የብሉን። ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዘሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰአነ ግና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሽየጥ። እቲ ዝሰረቖ ብዕራይ ኮነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ፡ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽፈል። ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔ፡ ማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ ኣንተ ሓደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሓሶ። ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሓሶ። ሰብ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጎረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበ ካዕበት ገይሩ ይኽሓሶ። እቲ ሰራቒ ኣንተ ዘይተረኸበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብ፡ ኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል። ብዝኾነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ፡ ኣድጊ ኾነ፡ በጊዕ ኮነ፡ ክዳን ኮነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። ኣቲ ኣምላኽ ዝፈደዮ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሓሶ። ሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፡ ሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዝርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሓስ። ካብኡ ኣንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተከኣሉ። ኣራዊት እንተ በትብቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪኾኖ የምጽኣዮ፡ ተኽላ ግና ኣይሀብ። ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፡ ካሕሳ ይኽሓሶ። ኣቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓስ፡ ተኻርዩ እንተ ኾነ፡ ብኽራይ ኣትዩ እዩ። ሰብ ዘይተሓጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝቢ የግዝማ። ኣቦኣ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል። ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። ምስ እንሳሳ ዝድቅስ ኩሉ ሞት ይሙት። ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስደተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ። ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኩራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይኾኑ። ካብ ህዝበይ ምሳኽ ንዝነበር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ፡ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ፡ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ። ክሳን ብጻይካ ታሕዚ ኣንተ ሓዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፡ ኪኸውን ድማ እዩ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ። ንኣምላኽ ኣይጽረፉ፡ ንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽሙቕ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጉዩ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በኹሪ ንኣይ ሀበኒ። ካብ ኣብርዑካን ካብ ኣባጊኻን ድማ ከምኡ ግበር። ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ። ቅዱሳት ሰባት ትኾነኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሓዞ ስጋ ኣይትብልዑ፡ ነኽላባት ደርብይዎ። ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል። ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ። ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይተንግጸሉ። ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጊ ጠፊኡ እንት ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ። ኣድጊ ጸላኢኻ ኻብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲኡ እንተ ርኤኻ እማ ከይትሕግዞ ክትሐድጎ እንተ ሓሰብካ፡ ምስኡ ዃንካ ኣጸቢቕካ ሓግዞ። ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ። ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል። መማለዲ ነቶም ዘርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ ኣሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ። ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸምይ ከም ዝኾነት ትፈልጡ ኢኹም። ሹድሹተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ ፍርያት ኸኣ ኣእቱ። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና፡ ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኽበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊካን ድማ ከምኡ ገብር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኸዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፍ። እቲ ዝበልኩኹም ኩሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ። ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ። በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ፡ ኣቢብ፡ ብእኣ ኸብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዛዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ። ናይቲ ኣብ ግራት ዝዝራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል። ኩሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ። ደም መስዋእቲ ምስ ብኹዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። ቀዳማይ በኹሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል። ኣብ መገዲ ኺሕወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተምርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሓድግን እዩ። ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ኹሉ ድማ እንተ ገብርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጸልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም። መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ። ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ፡ ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኼርሕቖ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልታትካ ድማ ክመልኦ እየ። ናብቶም እትመጾም ኹሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንኹገብሮም እየ። ንሃዋውያንን ንከንኣናውያንን ንሔታውያንን ኣብ ቅድሜኻ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይሰጎምን እየ። ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ። ምሳታቶም ኮነ፡ ምስ ኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ እዚ መፈንጠራ ኪኾነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ። ንሙሴ ኸኣኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ንዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ዃንኩም ናብ እግዚኣብሄር ደይቡ። ኣብ ርሑቕ ዃንኩም ድማ ስገዱ። ሙሴ ኸኣ ብበይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብ፡ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ። ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ኹሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኩሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኹሉ ቓላት ንገብር ኢሎም መለሱ። ሙሴ ድማ ንኹሉ ቓል ኣግዚኣብሄር ጸሐፎ። ንጽብሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሔ። ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጉባዝ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኺስውኡ፡ ካብ ዝራብዐት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኬቅርቡ፡ ሰደደ። ሙሴ ድማ ፈረቓ እታ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ። ፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ። ነቲ መጽሓፍ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣነበቦ። ንእዘዝ ድማ በሉ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብኹለን እዘን ቓላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ በለ። ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም ደየቡ። ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረአይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፈሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ። ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ። ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሐፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሙሴን እያሱን ግልያኡን ድማ ተንስኡ፡ ሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ። ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፡ ኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም ኣለው፡ ገነ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእ፡ በሎም። ሙሴ ድማ ነብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ደበና ኣጎልበቦ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል ኣቲ ደበና ጸውዖ። ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። ሙሴ ኸኣ ኸረንውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገብረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልዑ ኽህብ ዝፈተወ ውሰዱ። እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤል ድማ፡ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን ቑራብቲ ተሃስን፡ ዕጨይቲ ሽጢምን፡ ዘይቲ ንቐንዴል፡ ቀመማት ዕጣን ድማ፡ ኣእማን ዕንቁን ንኣፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን። ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይገብረለይ። ከምቲ ኹሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ኹሉ ኣቓሑኡን ከምኡ ግበርዎ። ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኽውን እመትን ፈረቓን ይኹን። ብጹሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ፡ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበርሉ። ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ገብር፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ። ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ገብር እሞ ብወርቂ ለብጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ማንቲ ኺጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎባታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። እቲ መስላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታብት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ። መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን ምግፋሑ ኸኣ ኣመትን ፈረቓን ይኹን። ክልተ ኩሩቤል ድማ ኣብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም። ሓደ ኩሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኩሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኩሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ኾይኑ፡ ብኽልተ ወሰን ግበርዎም። እቶም ኩሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕሊ ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኽውልዎ። ገጽ እቶም ኩሩቤል ካብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝሀበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። ኣብኡ ድማ ንኣኽ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኩሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ኹሉ ኽነግረካ እየ። ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን። ብጹሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገብረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ። ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ። እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን። እቲ ሰደቓ ብእኡ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ። ድማ ዚኽዕወሉ ጻሕልታቱን ጭሔሎታቱን ኩስኩስታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገብሮ። ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር። ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቓዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገብር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን። ካብ ጎቦታቱ ሹድሹተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ስለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ። ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን። ነቲ ኻብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን። ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን። ክበብቱን ጨንፈሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኩሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን። ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። ኣቲ ቅልዔ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ኸም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር። መሳቕይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ኣብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን። ንሱ ምስ እዚ ኹሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንተ ጽሩይ ወርቂ ይገበር። ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሪ ኸኣ ጠምቶ። ብዓሰረተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኩሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ። ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሶሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ኹሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን። እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም። ኣብቲ ብሓደ ኣተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣኣ ከምኡ ግበር። ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኽንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኽንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን። ሓምሳ መቑለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ። ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገብር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዕሰረተው ሓደ ግበሮ። ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን። ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ኸኣ እቲ ሽዱሽተ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት ኣቲ ድንኳን ደርቦ። ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መቑለፊ ግበር። ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቑለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቑላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋጥሞ። ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሐለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ። ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር። ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር። ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገብረሉ። ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ ኣመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። ነንሓደ ሉሕ ከኣ ክልተ ንሓድሕዱ ኣተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንኹሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ገብሮ። ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ገብረሉ። ዕስራሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገብር። ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሽኻል ክልተ ሽኻል ክልተ ኣግሪ ገብረሉ። በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕድራ ሉሕ። ኣቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ገብር። ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ገብር። ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ገብረሉ። እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ ኣቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብክልቲኡ መኣዝን ይኹን። እቲ ኣልዋሕ ሹድሽተ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን። ጋድማት ከኣ ካ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ብሓደ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ገብር። ኣቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐለብቲ ኸኣ ካብ ወርቂ ገብሮ፡ ነቲ ጋድማርውን ብወርቂ ለብጦ። ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ክትተኽሎ ኢኻ። ድማ ሰማያውን ሕሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረኣ ገብር፡ ምስ ብብልሓት እተገብረ ኩሩቤል ይገብር። ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሸጢም ጌርካ ስቐሎ። ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቑላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ከኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ገብሮ። ነቲ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ወጻኢ መጋረኣ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡብ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ገብሮ። ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዐየ መጋረጃ ግበር። ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሸጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦ፡ መስቓቐሊኡ ኸኣ ኣብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ። መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ሓሙሽተ ኣመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ገብር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ ብስራዚ ኸኣ ለብጦ። ንሐሙኹስቱ ዚኸውን ቁራዕን መጽሓርያኡን ጭሔሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ኹሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገብሮ። ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ገብረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ። ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ገብሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳኦ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ። ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ ብስራዚ ለብጦ። እቲ መሰውኢ ምስ ዚጽወር እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ኪኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ። ጓንጋ ጌርካ ኻብ ሉሕ ገብሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራኣየካ ኸምኡ ይግበርዎ። ነቲ ማሕደር ኣጸድ ገብረሉ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ ነቲ ሓደ ወገኑ ብተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገብር። ኣዕኑዱ ድማ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ጥሜት ሚእቲ ኣመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑዱ ኸኣ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ኣዕኑዱ ኸኣ ዓሰርተ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ይኹን። ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን። ናይቲ ሓደ ሸነኽ መጋረጃኣታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ኣዕኑዱ ስለስተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ስለስተ ይኹን። ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን። ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን። ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዝለኦ ኹሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገብሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። ኩሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓያዩኡ ዚኸውን ኩሉን ኹሉ ሸኻውልቱን ኩሉ ሸኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን። ንስኻ ድማ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጎድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኸምጽኣልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ንስኻ ኸኣ ንሓውካ ኣሮን ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁርን ኣልኣዛርን ኢታምርን፡ ካህናት ኪኾነኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም። ናኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ። ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም ብልቦም ፈላጣት ዝኾኑ ኹሎም ንኣሮንን ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም። እቲ ዝገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ እዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኣፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕ ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይገብረሉም። እቲ ዝገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ እዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኣፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕ ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይገብረሉም። ነቲ ኣፎድ ካብ ወርቅብ ሰማያውን ሕብሪ ደማን ጽሩይ ቀይሕን እታፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ገይሮም ብብልሃት ይግበርዎ። ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ ኣተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝኺውን ብብልሓት ኣተገብረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን። ክልተ ኣምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ። ሹድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ። ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽ። ዚሕዞ ኸኣ ትተዖ ወርቂ ኣዙረሉ። ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኩብ ኣፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከራት ይጹሮ። ትትዖ ወርቂ ገብሮ። ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ገብር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ገብሮ። ብብልሓት እተገብረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኣፎድ፡ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ገብሮ። ኣራባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን። ዚዛነቕ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቓሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡ ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ስመንጉኒ፡ ሰፊሮስ ኣልማዝ። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስ ኣካት ኣሜቲጦስ። ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ ክሪስሊትን ኦርኒክን ያሲጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ይጥበቕ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነግድ፡ ነፍስ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን። ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ሰለሰለታት ግበር። ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ንኽልቲኡ ኣተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ። ንኽልቲኡ ኻልእ ኣምፊ እቲ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ። ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ገብር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸነኽ ኣፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበሮ። ክልተ ቔለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ጥቓ እቲ ዚገጠበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ። እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን። ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኡሪም፡ ቱሚም ማለት ብርሃን ፍጹምናን እዩ። ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኡሪም፡ ቱሚም ማለት ብርሃን ፍጹምናን እዩ። ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ናይ ኣፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኸኣ ኹለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ። ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸያደድ፡ ኣብ ዙርይኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣለመ መኽፈፊ ይሀልዎ። ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማይን ገብረሉ። ኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡ፡ ቃጽል ወርቂ ገብረሉ። ኣሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቓጽል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን። ኣሮን ናብ መቕደስ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪእቱ ኸሎንኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውት ኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ። ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ገብር። ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጸሉ። ብሰናያዊ ፍሕሶ ጎአርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸንኽ ቅድሚት ይኹን። ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜቕርብዎ ኹሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ሃያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪኾነልኩምሲ ወርትግ ኣብ ግብማሩ ይኹን። ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበር። እተጠልፈ ቕናትውን ገብር። ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ገብረሎም፡ ቅናውቲውን ግበረሎም። ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ገብረሎም። እዚ ንኣሮን ሃውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ከደኖም፡ ቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምላኣሎም፡ ካህናት ኪኾኑኒ ኸኣ ቀድሶም። ንሕፈረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ገብረሎም። ኣሮንን ደቁን ከይብደሉ ኣሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪእትው ኸለው፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬግልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለው ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ካህናተይ ኪኾኑኒ ክትቅድሶም ከሎኻ ገበረሎም ነገር እዚ እዩ። ሓደ ዝራቦን ጎደሎ ዚብሎም ክልተ ድዑልን ውሰድ። ዘብኹዔ እንጌራን ብዘይቲ እተቐምጥዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ። ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፡ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ድዑልን ጌርካ ኣቕርቦ። ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ብማይ ድማ ሕጸቦም። ነቲ ኣልባሳት ወሲድካ ድማ፡ ንኣሮን ቀምሽ ታሕትን ናይ ኤፎድ። በቲ ብብልሓት እተገብረ ቅናት ኤፎድ ክደኖ። በቲ ብብልሓት እተገብረ ቅናት ኤፎድ ጌርካ ኸኣ ኣዕጥቆ። ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግብረሉ። ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ። ዚቕባእ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ ኹዒኻ ቅብኣዮ። ንደቁ ኸኣ ኣቕርቦም ኣሞ፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኽደኖም። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፡ መጠምጠምያውን ገብረሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንኣታቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ተቕድሶም። ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ። ነቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ሕረዶ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፡ ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኽዐዎ። ነቲ ናውቲ ኸብዲ ዜጎልብብ ቋንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዝለኦ ስብሕን ንኽልቲኡ ኹሊትን ኣብ ልዕሊኣኡ ዘሎ ስብሕን፡ ንኹሉ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቆርበትን ፈረስን ግና፡ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንድዶ። ነቲ ሓደ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ። ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ነቲ ደሙውን ኣብ ልዕሊ እቲ እተቖራረጸ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ። ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ ኣብ መሰውኢ ኣሕደሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ ኣብ መሰውኢ ኣሕደሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። ነቲ ኻልኣይ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ። ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ ኣብ ወሰን የመንየቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ ወሰን የማኖይ ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ። ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ መእብእን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ይእደሱ። ድዑል ምቕዳስ እዩ እሞ፡ ናይቲ ድዑል ስብሒ፡ ኮልኩልን እቲ ናውቲ ኸብዲ ዚጉልብብ ቛንጢጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኡ ኹሊትን ኣቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይብኹዔ እንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ራቂቕ ቅጫን ውሰድ። እዚ ኹሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ እሞ፡ ከም ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እዚኣብሄር ወዝውዞ። ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቶ ኣሕድሮ። እዚ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ። ሓኸለ እቲ ድዑል ምቕዳስ ኣሮን ውሰድ እሞ ከም ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞ። ንሱ ኸኣ ግዴኻ ይኹን። እቲ ንኣሮንን ንደቁን ዚግባእ፡ ነቲ ሓኸለ ዚውዝውዝ መስዋእትን ነቲ ዚለዐል መስዋእቲ እግርን ናይቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ዝውዝወዝን ዚለዐልን ቀድሶ። እዚ ዚለዐል መስዋእቲ እዩ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናሮንን ንደቁን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። እዚ ኻብቲ ደቂ እስራኤል ካብ ናይ ምስጋና መስዋእቶም ዚለዐል መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቶም ይኹን። እቲ ቅዱስ ኣልባስ ኣሮን ከኣ፡ ንሳቶም ብእኡ ኪቕብኡ። ብእኡ ድማ ኪቕደሱ ብድሕሪኡ ንደቁ ይኹን። ካብ ደቁ እቲ ኣብ ስፍራኡ ኻህን ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ይልበሶ። ነቲ ድዑል ምቕዳስ ወሲድካ ድማ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። ኣሮንን ደቁን ድማ ንስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኮይኖም ይብልዕዎ። እዚ ብእኡ ምምላእ ኢዶምን ምቕዳሶምን ንመተዓረቒ እተገብረ ይብልዕዎ። ንሱ ቕዱስ እዩ እሞ፡ ካብኡ ጓና ኣይብላዕ። ካብቲ ስጋ ምቕዳስ ወይ ካብቲ ኣንጌራ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣንተ ተረፈ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ፡ ቅዱስ እዩ ኣሞ፡ ኣይበላዕ። ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ እዚ ኹሉ ገብረሎም። ሾብዓተ መዓልቲ ትቕድሶም። ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመተዓረቒ ዝኸውን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ኣቕርብ። ነቲ መሰውኢ ኸኣ በቲ እትዕረቕሉ ኣጽርዮ፡ ክትቅስዶውን ልኸዮ። ነቲ መሰውኢ ሾብዓተ መዕላቲ ኣተዐርቆን ቀድሶን። እቲ መሰውኢ ዝተንከዮ ኹሉ ኪቕደስ እዩ። እቲ ኣብ መሰውኢ እትቕርቦ ኸኣ እዚ እዩ፡ ወርትግ ኣብ ጸጽባሕ ክልተ ገንሸል ዓመት። እቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ኣቕርቦ፡ እቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ምሸት ኣቕርቦ። ምስቲ ሓደ ገንሸል ብራብዓይ ክፍሊ ሂን ጉዳእ ዘይቲ ኣውልዕ እተለውሰ ዓስራይ ክፍሊ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተውን ራብዓይ ክፍሊ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ድማ ከምቲ ናይ ብጊሓት መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስርተን ምስኡ ጌርካ ኣግ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር እዩ። እዚ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዚሓርር መስዋኣቲ እዩ። ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኽርብ እየ፡ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ኪቕደስ እዩ። ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንመስውእን ክቕድሶ እየ። ናሮንን ንደቁን ከኣ ካህናት ኪኾኑኒ ክቕድሶም እየ። ኣነ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ክነብር ኣምላኾም ድማ ኪኸውን እየ። ኣብ ማእከሎም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጻእክዎም ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ። ዕጣን እትዐጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር። ምንዋሑ ሓደ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሕደ እተገብረ ይኹን። ላዕላዩን ጎባታቱን ብዙርያኡ ኣቕርንቱን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎባኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገብሮ፡ ብእኡ ኺጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኺእቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ። እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ። እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ገብሮ። ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። ንግሆ ንግሆ ቐነድል ኪዳሉ ኸሎ፡ ዕጣን ይዕጠን። ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ኬብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠን። ጋሻ ዕጣን ኮነ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኾነ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይትቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዐው። ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዐርቕ። ንውሉስ ወለደኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዐርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳት እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስራኤል ምስ እትቛጽሮም ምስ ተቖጽሩ፡ በቲ ምቑጻሮም ሕማም ከይኮኖም፡ ነፍ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሀብ። ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቑጹራት ዝሓለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሀብ። ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን። ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቁጹራት ዝሐለፈ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ካባኡ ንላዕሊውን እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሀብ። እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኢኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ። እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ነፍስኹም፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ኪኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮ። ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብ መሰውእን ኣንብሮ ኣሞ፡ ማይ ግበረሉ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓጸቡ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትው ኸለው፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ብምንዳድ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱስ ምስይ ይተሓጸቡ። ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም ንእኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ውሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ ፈረቓኡ ኸኣ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገብረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዝየቲ ቕብኣት ይኹን። ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡ ነቲ ሰንደቕ ኩሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኩሉ ኣቓሑኡን ነመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ ንመሰውኢ ምሕራርን ኩሉ ኣቃሓኡን፡ ነቲ ገብራት ኣጋሮኡን ቅባእ። ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ኹሉ ኸኣኣ ይቕደስ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪኾኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን። ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኩነለይ። ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኩዖ፡ ካላውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ። ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ካብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቆስ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጥዑም ጨናታት፡ ከርበን ሸኸለትን ከለበናን፡ ጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ። ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕባኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅባኢ ዕጣን ገብሮ። ካብኡ ኣድኪምካ ጉዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። እቲ በዚ ኣገባብራኣኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ። ዝኾነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቆስ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣንሆ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዐዮ ኣሎኹ። ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። እንሆ ኸኣ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ ኣሎኹ። እቲ ዝእዘዘኩኻ ኩሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ኹሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ኣንቢሩ ኣሎኹ። ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መተዓረቕን ኩሉ ኣቓሑ ድንዃንን፡ ሰደቓን ኣቓሑኡን ኣቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኩሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ መሰውኢ ምሕራርን ኩሉ ኣቓሑኡን እቲ ገብራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡ ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ናኣሮንን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ፡ ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ኹሉ ይግበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ክምዝኾንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንግኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ ኣየ እሞ፡ ስነብተይ ኣጸቢቕኩም ሓልው። ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሕልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዩ ዚዐዩ ኹሉ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት። ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ ሳብዐየቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰነበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ስነበት ዕዮ ዝዐየየ ኹሉ ሞት ይሙት። ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሓልውዋ። እግዚኣብሄር ብሹድሹተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገብረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ። ኣብ ከረን ሲና ሙሴ ተዛረቡ ምስ ወድኤ ክልተ ጽላት ምስክር በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጎየ ምስ ረአየ፡ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ፡ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና በልዎ። ኣሮን ድማ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጥኩም ኣምጹኡለይ በሎም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ፡ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም በሉ። ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሔ፡ ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ። ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኣኦም ዚሓርር መስዋእቲ ሰውኡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ ኪስሕቑ ኸኣ ተንስኡ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገብሩ፡ ሰገዱሉን ሰውኡሉን ከአ፡ ዎ እስራኣኤል እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣኣቶም እዮም ድማ በሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሎኹ፡ እንሆ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ ። ሕጂ ኹራይ ኣብኦም ኪነድድ እዩ፡ ኪውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኩራኻ ኣብዚ ብዓብዩ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻኣካዮ ህዝብኻ ይነድድ። ከመይከ ግብጻውያን ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፡ ካብቲ ነዳዲ ኹራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዐስ። ንኣብሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰመይ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስትይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንባሮትካ ዘክር። እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ። ሙሴ ድማ ተመልሰ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር ብዝን በትን እተጻሕፋ፡ ብኽልቲኡ ገጸን ጽሑፋት ዝነበራ ጽላት ኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብ ከረን ወረደ። እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራኣ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጻ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ። እያሱ ድማ እልልታን ጭራሕ ምራሕ እቶም ህዝብን ምስ ሰምዔ ንሙሴ ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ይስማዕ ኣሎ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ እዚ ደህይ ዝሰዐሩ ኣይኮነን ደሀይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኮነን ኣነ ደሃይ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ በለ። ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ርእዩ፡ ኩራኡ ነደደ እሞ፡ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን። ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞ፡ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም። ሙሴ ድማ ንኣሮን እዚ ዓብዩ ሓጢኣት ዘምጻእካሉስ እዚ ህዝቢዚ እንታይ ገብረካ በሎ። ኣሮን ከኣ ኩራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሙሴ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና በሉኒ። ኣነ ድማ ወርቂ ዘለዎ ይቕንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሀቡኒ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ። ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፋንዮም ምስ ረአዮም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ናባይ ተኣከቡ። ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ነፍሲ ወከፍ ሴፋ ኣብ ሕቑኡ ይዕጠቕ። ካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡ፡ ነፍሲ ውከፍ ንጎረቤቱ ይቐተል፡ በሎም። ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ስለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ። ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኺወሀብኩም ነፍስ ወከፍ ብወዱን ብሓውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱ በለ። ኮነ ድማ ንጽባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ ንስኻትኩም ሓጢኣትኩም እንተ ኣተዐረቕኩም ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም። ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዩ ሓጢኣት ገበረ ንኣታቶም ከኣ ኣማልኽቶም ወርቂ ገብሩ። ሕጂ ድማ ንሙሴ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሓኮ። ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ነብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኽይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ ሓጢኣቶም ኪቕጽዕ እየ። በሎ። ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ነብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኽይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ ሓጢኣቶም ኪቕጽዕ እየ። በሎ። እሞ እቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐዘፎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ኺዱ እሞ፡ ናብታ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ ኢለ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይብ። ቀቅድሜኻ ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ እሞ ንኸነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ክሰጎም እየ። ንሱ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኼእትወካ እዩ። ንስኻ ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገሲ ምእንቲ ኸየጥፍኣካስ፡ ኣብ ማእከልካ ኣይድይብን እየ፡ በሎ። እቶም ህዝቢ እዚ ኽፉእ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ ጉሀዩ እሞ ሓደ እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳብ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብ፡ ምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ስልማትካ ኻባኻ ቐንጥት በሎም። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንነጀው ስልማቶም ቀንጠጡ። ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ካብ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ። ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣውጽኣሉ። ኮነ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዝደለየ ዘበለ ንወጻኣኢ ሰፈር ናብ ድንኳን ምርኻብ ይኸይድ ነበረ። ኮነ ድማ፡ ንሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ዝወጽእ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው በለ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ክሳዕ ዚአቱ፡ ደድሪኡ ይጥምቶ ነበረ። ኮነ ኸኣኣ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረአዮ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተንስኤ እሞ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ። ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጎበዝ ግልያኣኡ፡ እያሱ ወዲ ነዊ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ እንሆ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ፡ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ ንመን ከም እትሰድድ ከኣ፡ ንስኻ ኣየፍለጥካንን ። ንስኻ ግና፡ ብስምካ እፈልጠካ ኣሎኻ፡ ኣብ ዓይነይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣሎኻ በልካኒ። እምበኣር ኣብ ዓይንኻ ሞጎስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓንኻ ሞጎስ ክረክብ በጃካ መገድኻ ኣፍልጠኒ። እዚ ህዝቢዚ ኸኣኣ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ርኤ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ በሎ። ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ ኣንተ ኾይኑስ ካብዚ ኣይተደይበና። ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፡ ንስኻ ምሳይ ብምኻድካሶ ኣይኮነን፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ዓይነይ ጸጋ ረኺብካ፡ ብስምካ ኸኣ ፈሊጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ ኣየ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኩሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ክእውጅ እየ። ነቲ ኽምጉሶ ዝደሌኹ ኽምጉሶ እየ፡ ነቲ ዝምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕርቶ ኣየ በለ። ሰብ ርእዮኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ። እግዚኣብሄር ድማ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳዱ ከውሒ እገብረካ ኣነ ኽሳኦ ዝሓልፍ ከኣ፡ ቢደይ ክኸውለካ እየ። ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ ገጸይ ግና ኣይርኤን ኣዩ በለኦ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፍ እየ። ንጽባሕ ድማ ተዳሎ፡ ኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ ኣቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ። ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኩሉ እቲ ከረን ከኣ ገለ ሰብ እኵ ኣይርኤ፡ ኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ ለቦ። ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበ። ንጽብሔቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲኤን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ። እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሓለፈ ኣወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኹራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዝይርኢ፡ ሓቲኣኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ። ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ። እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚ ህዝቢዚ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ። በለ ድማ፡ እንሆ ኣነ ኺድን ክገብር እየ። ንእኡ ዚመስል ኣብ ኩላ ምድሪ ወይ ኣብ ኹሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ እዩ ኣሽሪም ንኽብሪ፡ ኣንስተይቲ ጣዖት ፈንቀ ዝሰግዶ ኣዕኑድን ኣግራብን እዩ። እሞ፡ ኩሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ። እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ፡ ሓሉ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንኸንኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኡ እየ። ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኮኑስ፡ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዝነብሩ ኺዳን ከይትእቱ ተጠንቀቕ። መሰውኢታትቶም ደኣ ኣፍርሱ፡ ሓውልታትቶም ስበሩ፡ ኣሽሪሞም ከኣ ኣብርሱ። እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ። ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡ፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዘራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ። ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡ፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዘራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ። ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትገብር። ንበዓል ቅጫ ሓልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ምሓጸን ዝኸፈተ ኹላ፡ ተባዕታይ ዘበለ በኹሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ። በኹሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎ። ክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በኹሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርኤ። ሹድሹተ መዓልቲ ዕዮ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓኢ ግና ዕረፍ። ብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ። ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ስሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል። ተባዕታይካ ዘበለ ኹሉ ኣብ ቅድሜኻ ኽስጉጉ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ስለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን። ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰውኣዮ። እቲ መስዋኣቲ በዓል ፋሲጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰውኣዮ። እቲ መስዋኣቲ በዓል ፋሲጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። መጀምርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ። ኣግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን እተየ እየ፡ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሓፎ፡ በሎ። እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኺዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሐፎ። ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ በቲ ኸረን ምውራዱ እንተ ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ምሴ ምስ እግዚኣቤር ብምዝራቡ ኣቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸብረቐ ኣይፈለጠን ነበረ። ኣሮንን ኩሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፡ እንሆ ቖርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ። ሙሴ ኸኣ ጸውዖም፡ ኣሮንን ኩሎም ሓለቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱ፡ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም። ድሕርዚ ኸኣ ኩሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና ዝነገሮ ኹሉ ኣዘዞም። ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ገጽ ጉልባብ ገብረ። ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጉልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ደቂ እድራኤል ይነግሮም ነበረ። ደቂ እስራኣኤል ድማ ቁርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዘንጸባርቕ፡ ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምስራብ ክሳዕ ዚኣቱ ነቲ ጉልባብ ናብ ገጹ መለሶ። ሙሴ ድማ ንኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ በሎም። ሹድሹተ መዓልቲ ዕዩ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኡ ዮ ዝዐየየ ኹሉ ይሙት። ኣብ ኣትነብርዎ ኹሉ ብመዓልቲ ስነበት ሓዊ ኣይተንድዱ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኺባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጉሪ ጤልን፡ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን ቁራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፡ ዘይቲ ንቐንዴልን ቀመማት ድማ ንዚቕባእ ዘይትን ንምኡዝ ዕጣንን፡ ኣእማን ዕንቁን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን። ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኩላቶም ይምጽኡ፡ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ድማ ይግበሩ። እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳኑ መደረብታኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩ ድማ፡ ታቦትን እቲ መሰላታቱን መኽደን መታዐረቕን እቲ ዝጋረድ መጋረጃን፡ ሰደቓን እቲ መሰላታቱን ኩሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡ እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቓሕኡን፡ ቁልዒ ቐንዴልን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፡ መሰውኢ ዕጣንን እቲ መሰላታቱን፡ ዘይቲ ንመቕብእን፡ ምኡዝ ዕጣንን ኣፍ ደገ ነቲ ደገ ማሕደርን። መሰውኢ ምሕራርን እቲ ናይ ኣስራዚ መጋረዲን መሰላታቱን ኩሉ ኣቓሑኡን፡ እቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡ፡ መጋረጃታት ኣጸድን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡ መጋረጃ ኣፍ ኣጸድ ከኣ፡ ሽኻወልቲ ማሕደርን ሸኻውልቲ ኣጸድ እቲ ኣግማዱን፡ ኣብ መቕደስ ዜገልግሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ቅዱሳት ኣልባስ ንኣሮን ካህንን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ ደቁን ከኣ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጸ። ነፍስ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ፡ ኩሉ መንፈሱ ፍቓዱ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንኹሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽእ። ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰባኡትን ኣንስትን መጺኦም ኣምባውርትን ኩሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡ። ነፍስ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጉሪ ጤልን ኣተቐረጸ ቑራብቲ ድዓውልን ቑራብቲ ተሃስን እተረኸበ ዘበለ ሰብ ኣምጽኦ። ነፍስ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤ። ነፍስ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝኾነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ። ነፍስ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤ። ነፍስ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝኾነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ። ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኩለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፡ እቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ። ኩለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዚልዐለን ከኣ ጸጉሪ ጤል ፈተላ። እቶም ሓላቑ ድማ ኣእማን ዕንቁን ኣብ ኤፎድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን፡ ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህን ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጻኡ። ደቂ እስራኤል ነፍስ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ብሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ግብሪ ዚኸውን ክሂብ ልቡ ዘልዐሎ፡ ብፍታው ሃያብ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ። ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ርእዩ፡ እግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ብስሙ ጸውዖ። ንእእዙ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብኹሉ ዕዮን፡ ንምሕሳብ ብልሓት ብወርቅን ብብሩርን፡ በስራዝን ንምዕያይ፡ ዚዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኩሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልጺ እንጣጢዕ ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኩሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም። በሳልኤል ኦሆልያብን ኩሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኹሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጠበብን ምስትውዓልን ዝሀቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ነግር ኪገብሩ እዮም። ሙሴ ድማ ንቤሳልኤልን ንኦሆልያብን ንኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎም፡ መጺኦም ነዚ ዕዮዚ ኸዐዩ ቦም ዝደረኾም ጸውዔ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ኣቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ። እቶም ንኹሉ ዕዮ መቕደስ ዘዐዩ ዝነበሩ ኹላቶም ጥበበኛታት ነፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ። ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግብር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ ኣሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ሽዑ ሙሴ፡ ሰባኣይ ኮነ ወይ ሰበይቲ ንመቕደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ ኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእወጅ አዘዘ ኣሞ እቶም ህዝቢ ኸይምጽኡ ተኸልከሉ። እቲ መተዓየዩ ንኹሉ ዚዐየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ። እቶም ነቲ ዕዮ ዝነብሩ ኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደም ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዐየ ኩሩቤል ገበርዎ። ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ኹሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ። ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። ኣብቲ ቐዳማይ ኣተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኽንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ። ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጥመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኻንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበሮ። ሓምሳ ቑልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ኾነ። ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሐደ ገበሮ። ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ ኣመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሃደ ዓለባ ኸኣ ስፍሩ ማዕረ ነበረ። ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹድሹተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ። ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሃምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። እቲ መደረብታ ኺታጠም እሞ ሓደ ኪኸውንሲ፡ ሓምሳ ቑልፊ ኣስራዚ ገብረ። ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቆርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ። ነቲ ማሕደር ከኣ ኣብ ዕጨይቲ ሽጢም ደቅ ዚብል ኣልዋሕ ገበረ። ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጛጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንኹሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ። እሞ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣልዋሕ፡ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ። በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ። ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ። ብሸነኽ ድሕሪኣኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሹድሱተ ሉሕ ገበረ። ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣኣ ንኾረንዑ ኽልተ ልሉሕ ገበረ። እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት፡ ብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ኹርናዕ ከምኡ ገበረ። እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሃደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ። ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገበረ፡ ብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ። ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዚሓልፍ ገበሮ። ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ። ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ ኣተገብሩ ኩሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገብሮ። ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉ። ብወርቂ ኸኣ ለበጦ። መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ። መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ። ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑዱ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። በቲ ጉልላቱን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙስተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ። በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ ኣመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። ውሽጢ ግዳሙን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸአ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኽ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኽ ገበሮ። መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑ፡ እመትን ፈረቓን ምግፋሑ ገበረ። ክልተ ኩሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረ። ብምቕጥቃጥ ሰሪሑ፡ ንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም። ኣደ ኩሩቤል በዚ ወሰንቲ፡ ነቶም ኩሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም። እቶም ኩሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መለሶም። ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኩሩቤል ናብ መኽደን መተዓረቒ ኣቢሉ ነበረ። ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑውን እመት፡ ምብራኹ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ነቲ ዙርእይኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ነቲ ዙርያኡ ኸኣ ጋት ዝምግፋሑ ክቡስ ገበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሰስሉ፡ ነትን ቀላብቲ ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ገበረን። እቲ ቐላብቲ፡ መሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ እሞ እታ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ነበረ። እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ነቲ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበሮ ብወርቂ ድማ ለበጦ። እቲ ኣብ ሰደቓ ዚንበር ኣቓሑ፡ ሒላባቱውን ጭሔሎታቱን ጽዋኣቱን እቲ መስዋእቲ መስተ ዚኽዕወሉ ኹስኩስትታትን፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገብረ። ንቐዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ገበሮ። ጽዋኣትይን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ነበረ። ካብ ጎባታቱ ሽዱሽተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቡኡ ስለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቡኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ወጹ። ኣብ ሓደ ጨንፈር፡ ዕምበባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ነበረ። ኣብቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጸ ሹድሹተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ። ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምበባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምበባታቱን ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ከኣ ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ቸንፈር ድማ ሓደ ኽበብ። እሞ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ። ከበብቶምን ጨናፍሮምን ምስኡ ሓደ አነበረ። ኩሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ሓደ ኾይኑ ተሰርሔ። ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ድማ ገበረሉ፡ መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረሉ። ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። መስውኢ ዕጣን ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ። ምንዋሑ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ እመት፡ በርባዕቲኡ ወገን ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ሓደ ነበረ። ላዕላዩን ጎቦታት ዙርያኡን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገይሩ ኸኣ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገበሮ። እቲ መሰላታት ምእንቲ ኺአትዎ ብእኡ ኺጽወር፡ ብኽልተ ሸነኹ እጥበቕ። ነቲ መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ፡ ብወርቂ ለበጦ። ነቲ ቅዱስ ዘይቲ ቕባኣትን ነቲ ጽሩይ ምኡዝ ዕጣንን ድማ ከም ብልሃት እቶም ገብርቲ ጥዑም ጨና ገብሮ። መሰውኢ ምሕራር ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገበረ ምንዋሑ ኣመት ምግፋሑ ኸኣ ሓሙሽተ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ስለስተ እመት። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኸኣ ኣቕርንቲ ገበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ነበረ፡ ብስራዚ ድማ ለበጦ። ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኸኣ ገበረ፡ መአከብ ሓሙኽስትን መጽሓርንያ ጭሔሎን መውግእ ስጋን ምድጃን ንኹሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገበሮ። ንመሰውኢ ዚኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ኻብ ኣስራዚ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኣርከኑ፡ ብሸነኽ ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ዚበጽሕ ገበሮ። ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ኣስራዚ ኸኣ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣፍሰሰሉ። መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ብስራዚ ኸኣ ለበጦ። ነቲ መሰላታት ከኣ፡ ብእኡ ኺጽወር፡ ናብቲ ኣብ ጎቦታት መሰውኢ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ካብ ሉሕ ጓንጓ ገይሩ ሰርሖ። ገብራ ድማ ካብ ኣስራዚ፡ ኣጋሮኡውን ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ካብ መስትይታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ገበሮ። ኣጻድ ድማ ገበረ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ ኣመት ዝምንዋሑ መጋረኣታት ገበሮ። ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ዕስራ ኻብ እስራዝ ነበረ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሚእቲ እመት፡ ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ዕስራ ካብ ኣስራዚ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ኣዕኑድ ዓሰርተ፡ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከአ ካብ ብሩር ነበረ። ብሸነኽ ምብራቕ፡ በቲ ጸሓይ እትወጸሉ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ። ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኹ ዓሰርተው ሃሙሽተ ኣመት መጋረኣ ምስ ስለስተ ዓንድን ሰለስተ እግርን ነበረ። ከምኡ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ፡ እሞ ኣቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ በዝን በትን ዐዐሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃታት ምስ ሰለስተ ዓንዱን ሰለስተ እግሩን ነበሮ። ኩሉ መጋረጃታት ዙርያ እቲ ኣጸድ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ነበረ። ኣእጋር እቲ ኣዕኑድ ድማ ካብ ኣስራዚ ነበረ። ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ከብ ብሩር ነበረ። ጉልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብሩር ነበረ። ጉልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፡ ኩሉ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድውን ኣዛንግ ብሩር ነበረ። መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተጠልፈ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ቁመቱ ኸኣ ብምግፋሑ ኸምቲ መጋረጃታት ኣጸድ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩውን ኣርባዕተ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ብሩር ነበረ፡ ጉልላቱን ኣዛንጉን ብብሩር ተለበጠ። ኩሉ ሸኻውልቲ ማሕደርን ናይቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ካብ ኣስራዚ ነበረ። ጸብጻብ ነይቲ ማሕደር፡ ናይ ምስክር ማሕደር፡ ብትእዛዝ ሙሴ ፡ ንኣገልግሎት ሌዋውያን ቢድ ኢታማር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን እተጸብጸበ እዚ እዩ። በሳልኤል ወዲ ኡር ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ገበረ። ኦሆልያብ ወዲ ኢሃሲማኻ ካብ ነገድ ዳን ከኣ፡ ምስኡ ነበረ፡ ንሱ ቑራጽን ብሰማያውን ሕብድሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ። እቲ ንኹሉ ዕዮ ቤት መቕደስ ንመስርሒ ዝኾነ ኹሉ ወርቂ፡ እቲ እተዋህበ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዕስራን ትሽዐትን ታለንትን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ኮነ። ካብቶም ናይ ኣኼባ እትቑጸሩ እተዋህበ ብሩር ድማ ብሲቃል መቕደስ ሚእቲ ታለንትን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ኮነ። ንነፍስ ወከፍ ሰብ ካብቶም በቲ ቁጽሪ ዝሓለፉ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ እሞ ካብ ሽዱሽተ ሚእትን ስለስተን ሽሕ ሃሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓደ ቤቃ፡ ንሱ ኸኣ ፈረቓ ሲቃል መቕደስ በጽሔ። ኣቲ ሚእቲ ታለንት ብሩር ድማ ንምፍሳስ ኣእጋር መቕደስን ኣእጋር መጋረጃን፡ ሚእቲ ታለንት ንሚእቲ እግሪ፡ ሓደ ታለንት ናደ እግሪ ኾነ። በቲ ሽሕን ሾብዓተ ሚእት ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ድማ ነቲ ኣዕኑድ መሰቓቐሊ ገበረሉ፡ ንጉልላቱ ኸአ ለበጦ፡ ኣዛንግውን ገበረሉ። እቲ እተዋህበ ኣስራዚ ድማ ሰብዓ ተለንትን ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል እዩ። ብእኡ ኣእጋር ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ኣስራዝን ናይ ኣስራዚ መጋርዲኡን ኹሉ ኣቓሑ መሰውእን፡ ኣእጋር ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋር ኣፍ ደገ ኣጸድን ኩሉ ሸኻውልቲ ማሕደርን ኩሉ ሸኻውልቲ ኣጸድ ናይ ብዙርያኡን ገበረ። ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዜልግለሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበረሉ። ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሓብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ክእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ። ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገብረሉ፡ ንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዚዕጠቖ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ። ኣዕናቕ ኣምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበ፡ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገብሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ኣብ መንኩብ ኤፎድ ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍልቢ ድርብ ገብርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ድርብ ነበረ። ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍልቢ ድርብ ገብርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ድርብ ነበረ። ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቑ ከአ ኣዘነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፡ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፡ ህያክቶስን ኣካትን ኣሚቲስጦስን። ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፡ ክሪሶሊትን ኦሪክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትቶዖ ወርቂ ተከቢቡ ነበረ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኣኤል፡ ከምቲ ስሞም ኦኣሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ። ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩ። ክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤትን ወርቅን ገብሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። ነቲ ክልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዘነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎ። ክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኣጎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ። ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገብሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ኤፎድ ባትሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፍለስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገብሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ኤፎድ ባትሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፍለስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኩሉ ብሰማያዊ ኻብ እተአለመ ዓለባ ገበሮ። እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ። ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕቲ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጹሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉ። ቃጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገብርዎ። ምእንቲ ኼገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማናት፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተአለመ ቐመውሽ ታሕትን፡ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ልሕጺ እንጣጢዕ ፡ ጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዐየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ። ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሊቃ ገብረሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ጽሕፈት ጸሓፉሉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኺእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ። ከምኡ ኹሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ገብሩ፡ ከምኡ ገብሩ። ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንዃንን ኩሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ። እቲ መደረብታ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቑራብቲ ተሃስን እቲ ዚጋረድ መጋረጃን። ታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን፡ ኣቲ ሰደቓ ምስ ኩሉ ኣቓሑኣኡን እንጌራ ምርኣይን። እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዚዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኩሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልን፡ መሰውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን። መሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚ፡ መሰላታቱን ኩሉ ቕብኣትን ገብራን ኣጋሮኡን። መጋረጃታት ኣጸድ፡ ኣዕኑድን ኣእጋሩን መጋረጃታት ኡፍ ደገ ኣጸድን፡ ኣግማዱን ሸኻውልቱን ኩሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት፡ ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ። እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ኣሮን ካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ደቂ እስራኤል ንኹሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎ። ሙሴ ድማ ንኹሉ ዕዮ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ። ሙሴ ድማ መረቖም። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ በቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ። ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ። ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣእቡኡ ዚንበር ኣቓሑ ስርዓሉ። ቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ከኣ፡ እቲ ቐንዴሉ ኣንብረሉ። ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ። ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምራኻብን መሰውአን ኣንብሮ ማይ ከኣ ግበረሉ። ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ገብሮ። ዘይቲ ቕብእእት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ኹሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን። ንመሰውኢ ምሕራርን ንኹሉ ኣቕሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ ኣሞ እቲ መሰውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን። ነቲ ገብራን ንኣእጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶን። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦም። ንኣሮን ነቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ክህነይ ኪኸን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን። ንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖም። ነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ኪኾኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኣኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም። ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ። ኾነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቖሞ፡ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው አበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ። ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኣኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገብረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነታ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተውዎ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነታ ታቦት ምስክር ጋረደሉ። ነቲ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገብሮ። ነቲ ዚስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ። ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ። ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዐጠነ። ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ፡ ኣሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ። ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ። ናብ ድንኳን ምርካብ ምስ ኣተውን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ። ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቖመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ። ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጎልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ መሊእዎ ስለዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪአቱ ኣይከኣለን። ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ። ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ። ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖ፡ ካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ማል፡ ካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕ ኣቕርቡ። እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተ ኾነ፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ኪኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። ኣብ ርእሲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን። ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፡ ነቲ ድሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ የቕርብዎ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያ ይንጸግው። ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ቖርበኡ ጠቢሑ፡ በብኽፍሉ ይቑረጾ። ደቂ ኣሮን እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጎዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ። ደቂ ኣሮን እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጎዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታት፡ ርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዕዎ። ናቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ ንመሰዋእቲ ሓዊ፡ ናግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ንዚሓርር መስዋእቲ የቕርቦ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑ፡ ይሕረዶ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ኡንጸግዎ። በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቑረጾ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ። ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ ኣቲ ኻህን ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ እቲ ኻህን ድማ ንኹሉ የቕርቦ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚስውእ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ። እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቑ። ጭንጫራኣኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙኽሽቲ ይደርብዮ። በክናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ ኣቲ መስዋእቱ ኻብ ድኽም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉ፡ ዕጣንውን ይግበረሉ። ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኩሉ እቲ ዕጣኑ ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ምስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። ኣቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። መሰዋእቲ ብልዒ ኣብ ኣቶን ካብ ሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘይበኹዔ ቕጫታትን ዘይተ እተለኸየ፡ ዘይበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን። መስዋቲ ኣብ መቑሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ይኹን። ቑራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። መስዋእትኻ ኣብ ቁራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኾነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገብር። እቲ ኻብቲ ነገርዚ እተገብረ መስዋኣቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። እቲ ካህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፍ ድማ ንኣሮንን ንደቅን ይኹን። እዚ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተገብረ መስዋቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኾነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ። ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚእብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር። ንኹሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኩሉ መሰውእታትካ ጨው ኣቕርብ። ካብ በኹሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ እቅረብክ፡ ካብ በኹሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቁጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእት ብልዒ ኣቕርብ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኸዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኩሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ። መስዋእቲ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ፡ ጎደሎ ዜብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ። ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ኹሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ። ድማ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ኾለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ። ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ የሕርርዎ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ ኣንተ ኾይኑ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይቲ፡ ጎደሎ ዜብሉ የቕርብ። ንመስዋእቱ ገንሸል ኣንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። ካብቲ መሰዋእቲ ምሳና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ኾልኮሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኻብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሒ ኸብድን ስብሕን ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። ካብቲ መሰዋእቲ ምሳና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ኾልኮሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኻብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሒ ኸብድን ስብሕን ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። መስዋእቲ ጤል እንተ ኾይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መስውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ኹሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስውእቲ ሓዊ የቕርበሉ። ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ኹሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስውእቲ ሓዊ የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኩሉ ስብሒ ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ስብሒ ዘበልን ደም ዘበልን ኣይትብልዑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ እቲ እተቐብኤ ኻህን እንተ ኾይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጎደሎ ዜብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ። እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እጢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበር። ኩሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደፈ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ። ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኩሉ ስብሒ፡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን የልዕል፡ ድማ ክልቲኤን ኩሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኣብ ጥቓ ኾለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል፡ ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዚልዐል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ። ቆርበት እቲ ዝራብዕን ኩሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን፡ እቲ ዝራብዕ ብምሉእ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታ፡ ናብቲ ሓሙኹሽቲ ዚጎሓፉ የምጽኣዮ። ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ሓዊ የሕረር። ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኣኤል ኣንተ ሰሐተ፡ ኣቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ። እቲ ዝገብርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሃደ ዝራብዕ ተቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ። እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። እቲ እተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ስንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ። ንኹሉ እቲ ስብሒ ድማ ኣብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምእይ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዐርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም። ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኣኢ የውጽኣዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕረሮ፡ የሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥኤ፡ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦ፡ ንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጎደሎ ዜብሉ ድቤላ የምጽእ። ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ኸእ ይሕረዶ። ንሱ መስዋኣቲ ሓጢኣት እዩ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮ። ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ። ንኹሉ እቲ ስብሑ ድማ ከምቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዚግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄር ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥኤት፡ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጎደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ። ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ይሕረዳ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ ብጻብዑ ወዲሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር፡ ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግዚኣብሄር መሰውኢ ይኽዐዎ። ከምቲ ኻብ መስዋኣቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንኹሉ እቲ ስብሒ ይፍለ፡ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽኤ ኸአ፡ ጎደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ የምጽእ። ኢዱ ድማ ኣ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር። ንኹሉ ድማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እዪ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። ሰብ፡ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረኣኣዮ ወይ ብዝፈልጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለጸ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር። ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኩስ ነገር እንተ ተንከየ ርኹስ እንስሳ ኣራዊት እንተ ኾነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ። ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝኾነ ዜርክሶ ርኽስተ እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ በዳሊ እዩ። ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝኾነ ዜርክሶ ርኽስተ እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ በዳሊ እዩ። ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሓለ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆ። ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዜብሉ ኸአ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣትኸውን የቕርብ፡ ርእሳ ኸይፈለየስ፡ ካብ ጥቓ ኽሳዳ ይጥወያ። ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግ፡ ነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሓርር መስዋእቲ ይግበራ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓኢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቕሚ ኣንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣት ንመስዋኣቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ። ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ካህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ሰብ በደሊ እንተ በደለ፡ ብገለ ኣቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገብገምካሉ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ። በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፡ ሓምሳይ ኣፍ ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ድማ። ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሓጣኤ፡ ከይፈለጠ እኳ ኽንሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር። ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገብረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝጸውዖ፡ ወይ ገለ ጥፋእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝኾነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡ ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኮነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዐመጾ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡ ወይ ዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ፡ ብምሉእ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ። ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ከም ገምጋምካ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ ካህን የምጽእ። እቲ ካብ ዝኾነ ዝገብሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝኾነ፡ ኪሕደገሉ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ሕጊ እቲ ዚሓርር መስዋኣቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚነድድ መስዋእቲ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ይነብር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ። እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓሙኹሽቲ ናይቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖ፡ ሓፊሱ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ። ደሓር ክዳውንቱ የውጽእ፡ ካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደን፡ ነቲ ሓሙኹስቲ ኸአ ካብቲ ሰፍር ናብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዩ። እቲ ኣብ መስውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣቲ ዚሓርር መስዋኣቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋኣቲ ምስጋና የሕርር። እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፡ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ። ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕል ካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ኹሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ከይበኹዔ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኾይኖም ይብልዕዎ። ብማይ ርሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሀብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደልን ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍስ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣሮንን ደቁን በታ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፡ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፍ ድኹም ሓርጭ፡ ፈረቓኡ ብጊሓት፡ ፈረቓኡ ኸኣ ምሸት። ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቖምጥዒ ኸኣ ኣምጽኣዮ። ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ብሱል ቁረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ። እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዚቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉእ ንእግዚኣብሄር ይሕረር። ኩሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒ፡ ብምሉእ ይሕረር፡ ኣይበላዕ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፡ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሓርር መስዋኣቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዜቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾንካ ሕጸቦ። እቲ ዝበሰለሉ ቁራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸአ፡ ይፈጉፈጉ ብማይውን ይተሓጸብ። እቲ ዝበሰለሉ ቁራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸአ፡ ይፈጉፈጉ ብማይውን ይተሓጸብ። ነፍስ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝኾነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳት እዩ። መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዚኣቱ፡ ብሓዊ ይንደድ እምበር ኣይብላዕ። ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረዱላ ቦታ ይሕረድዎ። ደሙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዙርያኡ ይንጸጉ። ብዘሎ ስብሑ ኸኣ፡ ኮልኮሉን ቋንጠጡን፡ ክልቲኤን ኩሊት ምስ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን፡ እቲ ኻብ ጥቓ ኮላሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡ እቲ ኻህን ነዚ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚብሄር ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ። ነፍስ ወከፍ ተባዕታይ ካህን ዝኾነ፡ ይብልዓዮ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብላዕ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እቲ መስዋኣቲ በደል ከምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ንኽልቲኡ ሕጊ ሓደ እዩ፡ ናይቲ ብእኡ ዜተዐርቖ ካህን ይኹን። እቲ ኻህን ናይ ማንም ዚሓርር መስዋእቲ ዜቕርቦ፡ ቆርበት ዚሓርር መስዋእቲ ነቲ ኻህን ይኹን። ኩሉ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ኣብ እቶን ዝበሰለ፡ ኩሉ ኣብ ቁራዕን ኣብ መቕሎን እተገብረ፡ ነቲ ዤቕርቦ ኻህን ይኹን። ኩሉ ዘይቲ እተሓወሶ ወይ ንቑጽ መስዋእቲ ብልዒ ንኹሎም ደቂ ኣሮን፡ ነቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ሕጉ እዚ እዩ። ንምስጋና እንተ ኣቕረቦ” ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘይቲ እተሓወሰ ዘይበኹዔ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበኹዔ ረቂቕ ቕጫታት ካብ ድኹም ሓርጭ እተቖምጥዔ ዘይቲ እተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ። እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ምስ ዝበኹዔ እንጌራ የቕርቦ። ካብ ኩሉ እዚ መስዋእትታት ሓደ ግደ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ የቕርበሉ። እዚ እቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዚነጽግ ካህን ይኹን። ስጋ እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ቦታ እተሰውኣላ መዓልቲ ይበላዕ፡ ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ብጊሓት ኣየትርፍ። እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ናይ መብጽዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾነ ኸአ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ። እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንጽብሒቱ ይበላዕ። ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ኣቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፡ ነቲ ዘቕረቦውን ከም ቁርባን ኣይቑጸረሉን፡ ፍንፋን ይኸውን። እታ ኻብኡ እተበልዕ ነፍሲ ኸኣ በደላ ትጸውር። ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደአ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ። ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደአ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ። እታ ረኺሳ ኸላ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስውእቲ ምስጋና እትበልዕ ነፍሲ ድማ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቁስ እያ። ነፍሲ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየት፡ ርኽሰት ሰብ ወይ ርኩስ እንስሳ ወይ ዝኾነ ጽዩፍ ርኽሰት፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸአ እንተ በልዔት፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ገለ ስብሒ ናይ ብዕራይ ኮነ ወይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል፡ ኣይትብልዑ። ስብሒ ዝሓለቐትን ናይ ኣራዊት ዝቐተላን ንዝኾነ ውራይኩም ግበርዎ፡ ምብላዕዕ ግና ኣይትብልዕዎ። ካብ ስብሒ እቲ እንስሳ፡ ካብኡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ዝብልዔ ዘበለ፡ እታ ዝበልዔት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። ኣብ እትነብርዎ ኹሉ ኸኣ፡ ናይ ዑፍ ኮነ ናይ ማል፡ ደም ዘበለ ኣይትብልዑ። ዝኾነ ደም ዝበልዔት ዝበለአት ነፍሲ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ፡ ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣልዒሉ ህያቡ ናብ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ በእዳው የምጽኣዮ። እቲ ሓኸለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምውዝዋዝ ኪውዝወዝሲ፡ ስብሑን ሓኸሊኡን የምጽኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓኸለ ኸኣ ንኣሮንን ንደዉን ይኹን። ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም ንዚልዐል መስዋእቲ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ሀብዎ። ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደም መስዋእቲ ምስጋናን ስብሕን ዜቕርብ፡ የማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን። ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኣኤል ሃኸለ ምውዝዋዝን ዚልዐል እግርን ወሲደዮ እየ ኣሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንስርዓት ዘለኣለም ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሁበዮም ኣለኹ። በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪኾኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህበዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለድኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ። በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪኾኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህበዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለድኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ። በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርብ ዝኣዝዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ። በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርብ ዝኣዝዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንኣሮን ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ። ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣከቦ። ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ። ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በለ፡ ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም። ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉ ቅናትውን ኣቕነቶ፡ ቀምሽ ላዕሊ ኺዳኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቕነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሓዞ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቁሚምን ገበረሉ። ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂ፡ እቲ ቅዱስ ኣኽሊል፡ ገበረሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበረ። ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕባኣት ወሲዱ ነቲ ምሓደርን ኣብኡ ንዝነበረ ኹለን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸአ። ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ኪቕድሶውን ንመሰውእን ንኹሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ። ናይ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ማንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቕነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም። ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ። ሓረዶ ድማ፡ ንሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዐዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ። ንኹሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኩሊት ምስ ስብሔንን ወሰደ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። ነቲ ዝራብዕን ቁራብቱን ስጋኡን ፈረሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ድዑል ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ። ሙሴ ድማ ሕሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቖራሪጸ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቑረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ። ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓጸቦ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኾነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኾነ። ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ ኣቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ኣቕረበ፡ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ። ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፡ ንኣሮን መስቆር የማነይቲ እግሩን ለኸዮ’ ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቆር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ። ነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። ነቲ ስብሕን ኮልኮልን ኩሉ ኣቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኩሊት ምስ ሰብሔንን የማነይትን እግርን ወሰደ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበኹዔ እንጌራ ዝሓዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ሪቂቕ ቕጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ። እዚ ኹሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ንዚውዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኮነ። ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ነበረ። ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መስውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎም፡ ነዚ ስጋ ኻምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዃንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ኾንኩም ብልዕዎ። ካብቲ ስጋን ንጌራን ዝተረፈ ኸኣኣ ብሓዊ ኣንድድዎ። ምቕዳስኩም ሻብዓተ መዓልቲ ኪቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዚመልአ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ። ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እንተገበረ ኸምኡ ኸኣ ኪግበር፡ እግዚኣብሄር ኣዘዘ። ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩም፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልው። ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ነገር ገበሩ። ኮነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። ንኣሮን ከኣኣ በሎ፡ ጎደሎ ዜብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ደቂ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ። ንደቂ እስራኣኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ሓደቤላ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓዳ ታዕዋን ሓደ ገንሸልን፡ ዓመት ዝገበሩ ጎደሎ ዜብሎም ውሰዱ። ሎሚ እግዚኣብሄር ከረአየኩም እዩ ኣሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕ ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ። እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኦ። ኩሉ እቲ ኣኤባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትገብርው ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኪረኣየኩም እዩ በለ። ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሐርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከአ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ እተዐረቖምውን፡ በሎ። ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሐርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከአ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ እተዐረቖምውን፡ በሎ። ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ፡ ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዐዎ። ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኮላሊትን ቋንጢጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ስጋኡን ቆርበቱን ከኣኣ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓረደ። ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። ነቲ ዚሓርር መስዋኣቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሓጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ቲ ዚሓርር መስዋኣቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረባ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝነበረ ወሲዱ ሐረዶ፡ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ። ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ። ብጀካ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኮልኮሉን ንናውቲ ኸብዲ ዜጎልብብ ቋንጡጥን ኮለሊትን ስብሒ ኸብድን ነቲ ስብሕታታብ ልዕሊ ሓኼሊታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሒታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ኣሮን ከኣ ነተን ሓኼሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ወዝወዘን። ኣሮን ድማ ኣእዳው ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾም። መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውኤ፡ ወረደ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተው፡ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንኹሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ። ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኩሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፡ ኣልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ። ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሓዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ። ሽዑ ሙሴ ንኣሮን በቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ኸኣ ኪኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ በለ። ኣሮን ድማ ትም በለ። ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን ጸዊዑ ቅረቡ ኣሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም በሎም። ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኣኢ ብቐምውሾም ጸርዎም። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርንን፡ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይክርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዚቃጸሎ ምንዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኣኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጻኡ በሎ። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርንን፡ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይክርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዚቃጸሎ ምንዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኣኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጻኡ በሎ። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርን፡ ታረቦም፡ ነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ቅጫን ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዃንኩም ብልዕ ዎ። ኣዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ኾንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ ኣዩ። ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዚውዝውዝ ሓኸለን ዚልዐል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኾይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዃንኩም ብልዕዎ። ምስናይ እቲ ብሓዊ ዚስዋእ ስብሕታት ከኣኣ ነቲ ዚልዐል እግርን ዚውዝውዝ ሓኸለን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን። ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሓሪሩ ነበረ፡ ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ኾረየሎም፡ በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዐርቕዎም፡ ንእኡ ሂበኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዃንኩም ዘይበላዕክምዎ፡ እንሆ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ መቕደስ ዃንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ እንሆ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዚበለ ምስ በጽሓኒ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄርዶ ባህ መበለ፡ ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ካብ ኩሎም ኣብ ድብ ምድሪ ዘለው ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፡ ካብ እንስሳ ጽፉፍ ስንጡቕ፡ ሸኾናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጉስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጉስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸኾናኦም ዝምቐል፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማ መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣኣ፡ መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾንኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸኾናኣ ምቑል እዩ፡ መጉስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን ኣሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ኹሉ እዚ ብልዑ፡ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኹሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወሱ ኩለን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኩሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ኹሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ኹሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይትብልዓ፡ እዚኣትን ኣየን፡ ንሳተን ፍንፋናት እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። ኩሉ ዃኹ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጉጉትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። ንእሽቶ ጉንጓን ሓሓትን ዓባይ ጉንጓን፡ ንእሽቶ ጉንጓን ሓሓትን ኣሞራን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ ተምብሃአጆ መንካዕን። ኩሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለምምታ ንኣኻትኩም ፍንፋን ኣዩ። ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ኹሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚስረአን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካባታቶም እትበልዕዎ እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን ገደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ኹሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍስ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍስ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። ኩሉ እንስሳ ምቑል ሸኾና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቀ መጉስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኩስ እዩ። በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኩሉ ንስሳ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይርከስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፡ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ ነፋሒቶን። ካብ ኩሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ካብ ኩሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣቕሓ ዕጭ ኣንተ ኾይኑ፡ ወይ ክዳን ወይ ጉኖ ወይ ከረጺት፡ ዝኾነ ዚዕየዩ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣኣቶም ምስ ሞተ፡ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኹሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኩሉ ማይ ዝኣትዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝኾነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ኹሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝኾነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቆሮ ሓጺቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ። ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቆ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ ኣዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚኾነኹም እንስሳ ገለ ኣንተ ሓለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከየ ክሳዕ ምሸት ይረክስ። ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን ክዳኑ ይሐብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ። ኩሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም። በቲ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱስ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኩሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። ኣምላኽኩም ኪኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽይፈልዮ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ኹሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ኣንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽይፈልዮ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ኹሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ኣንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ ኣንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። በቲ ደም ንጽህናኣ ኸአ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቐመጥ፡ መዓልታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልኣ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። ጓል ኣንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየት ኸኣ ስሳን ሹዱሽተን ትቀመጥ። ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልታት ምንጽሃ ምስ መልኣ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሓርርመስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸአ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ። ገንሸል ዚኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ፡ እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ ትነጽህ ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም። ሰብ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩሕ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቁስሊ ለምዚ ዝበለ እንተ ኾነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ካህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ዘሎ ቑስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቑስሊ ዘላ ጸጉሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቑስሊ ኸኣኣ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ጎድጓድ እንተ ተራእየ፡ ቁስሊ ለምዚ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቆርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤ፡ ጸጉሪውን ኣንተ ዘይጻዕደወ፡ ኣቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ እቲ ቑስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቁስሊ ኸኣኣ ኣብ ቆርበት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርኣዮ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቖርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ። ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራኣየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቆርበቱ እንተ ለሐመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካሕን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሓመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሰብ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቆርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣኣ ነቲ ጸጉሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ፡ ንሱ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ ኣይዕጸዎ። እቲ ለምጺ ኣብ ቆርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቑሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቖርበቱ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ ኣቲ ቑሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ። እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኩስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ። ወይ ኣቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ስዑ ኣቲ ኻህን እቲ ቑስሉ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ንስጋ ኣብ ቆርበቱ ዝሓወየ ቑስሊ እንተለዎ። ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይረኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ጎድጉዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጉሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ ኣቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቑስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን እንተ ረእዮ እሞ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቖርበትውን እንተ ዘይጎደጎደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሓመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቑስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ወይ ስጋ ኣብ ቆርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ኾነ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ ጸጉሪ ኣትዪ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ጎድጓድ እንተ ተራኣየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ካህን ይንገር። ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ኣንተ ዘይጎድጓደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቆርበቱ እንተ ለሓመ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖመ ኸአ፡ ኣብ ቆርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓው እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቑስሊ ኣንተለዎ፡ እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ጎድጓዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎ፡ ንሱ ዕንፍሩር ኣዩ፡ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ካህን ይንገር። እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራኣየ፡ ጸሊም ጸጉሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዩ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐ፡ ናብ ጫማ ዜብል ጸጉሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ ኣንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቖርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሓመ፡ እቲ ኻህን ይርኣዮ። እንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት እንተ ለሓመ፡ ኣቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጉሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቖይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጉሪ በቑሉ እንተ ረአየ፡ ግና እቲ ዕንፍሩር ሓውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣኣ፡ እቲ ኣብ ቆርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ኾነ፡ እዚ ኣብ ቆርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ሰብ ጸጉሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ርእሱ ብሽነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ነዃዕ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቐይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቑስሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነኳዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጸ ለምጺ ኣዩ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነኳዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቁስሊ፡ ከምቲ ናይ ቆርበት ስጋ ለምጺ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ኾይኑ እንተ ተራእየ፡ ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቁስል ኣብ ርእሱ ኣሎ። እቲ ቑስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዳዱ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። ቁስሊ ዘለዎ ኹሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ይኹን። ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጣዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጻጉሪ፡ ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቆርበት እንተገብረ ነገር፡ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጣዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጻጉሪ፡ ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቆርበት እንተገብረ ነገር፡ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ እቲ ቑስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተበለ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቑስሊ ይርአዩ፡ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ። እቲ ቑስሊ ኣብ ክዳን ወይ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቆርበት፡ ንዝኾነ ዕዩ ካብ ቆርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመ፡ እዚ ቑስሊዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋኣሚ ናይ ጸጉሪ እንተ ኾነ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት እቲ ቑስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረእዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት እንተ ዘይለሓመ፡ ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኺሓጽብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ቑስሊ ምስ ተሓጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ሕብሩ እንተ ዝይለወጠ፡ እቲ ቑስሊ ድማ እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ኾነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቖ በላዒ እዩ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ኸአ፡ እቲ ቑስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቆርበት ወይ ካብቲ ቅጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ብሓዊ እንድዶ። እቲ እተሓጽቦ ኽዳን፡ ወይ ቕጥኒ ወይ ፋኣሚ ወይ ዝኾነ ቖርበት፡ እቲ ቑስሊ እንተ ኸደሉ፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ድማ። ብዛዕባ ቑስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋኣሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት ንጹህ ምኳኑ ወይ ርኹስ ምንጋር፡ ሕጉ እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹን፡ ናብ ካህን የምጽእዎ። እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሐወየ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዚነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተይ፡ ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ኪወስዱ ይአዝዝ። እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ኪሓርዱ ይኣዝዝ። ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሐድረት ዑፍ ይጥለቆ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዚነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምኳኑ ይንገር፡ ነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኩሉ ጸጉሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኹሉ ጸጉሩ ይላጺ፡ ርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኩሉ ጸጉሩን ይላጺ። ክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጎደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸልን ጎደሎ ዜብላ ዓምት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንን፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ። ኣቲ ዜንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዚንጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቑሞ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንሸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል የቕርቦ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ። እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፡ ኣቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን ዚሕረደሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፡ ኣቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቆር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ግናዕ ጸጋማይቲ ኢዱ ይኸዐዎ። እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሻብዐተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ። እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሻብዐተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ። ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የመነይቲ ኢዱን ኣብ ዓብይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዐርቆ፡ ድሕሪኡ ድማ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕረድ። እቲ ኻህን ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብ፡ እቲ ኻህን ከኣ የተዐርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ። ንሱ ድኽ ኣእንተ ኾነ፡ ንኽንድዚ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዜብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኺውዝውዝ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኣኤፋ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ እታ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይውሰድ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣን ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምጽኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስውእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ ኣሞ እቲ ኻህን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝወዞ። ነቲ ገንሸል መስዋኣቲ በደል ከኣ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ የማንየቲ መስዎር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ እግሩን ይልከዮ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግራት ጸጋመይቲ ኢዱ ይኹዖ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ በየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሻብዐተ ሳዕ ይንጸግ። ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋኣቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ ኣቲ ኻህን ነቲ ዚነጽህ ካብቲ ካብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የመንይቲ መስቆር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማንየቲ እግሩን ይልከዮ። ነቲ ካብቲ ዘይቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ኢድ እቲ ኣኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬተዐርቖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ። ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ። ምስቲ መስዋኣቲ ብልዒ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚጸህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። ብዛዕባ እቲ ቑስሊ ለምጺ ዝለዎ ንምንጻሁ ዜድሊ ኣብ ኢዱ ዚኣክል ዘይረኸበ፡ ሕጉ እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም። ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸንኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እትረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቁስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ፡ ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡ፡ ኣብ ቤተይ ከም ቁስሊ ለምጺ ዘበለ ተራኣዩኒ፡ ኢሉ ይንገሮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑስሊ ኸርኢ፡ ገና ናብታ ቤት ከይኣተወ፡ ኣብ ቤት ዘሎ ኹሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ኺገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕርዚ እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪርኢ ይእቶ። ነቲ ቑስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጎድጓድ ካብቲ መንደቕ ዐሚቑ ኣንተ ተራኣየ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፡ ነታ ቤት ኸኣ ሶብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ። እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርኣያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ ኣታ ቢት እንተ ለሓመ፡ ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኺድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዝ። እታ ቤት ድማ ብውሽጢ ዙርያእ ትተሓኸኽ፡ ኣቲ ሕኸኽ መሬ ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይጎሐፍ። ኣብ ክንዲ እቲ ኣእምና ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉ። ካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ለቕልቃ። ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽኤ፡ ኣታ ቤት ድማ ምስ ተሐከት ምስ ተለቕለቐትን፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ ኣንተ ወጸ፡ እቲ ኻህን ኣትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዚባላዕ ለምጺ እዩ፡ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ ኣያ። ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኩሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱ፡ ናብ ወጻኣኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጉሐፎ። ነታ ቤት በተን እተዕጸወለን ኩለን መዓልታትን ዝኣተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዔውን ክዳውንቱ ይሕጸብ። ኣቲ ኻህን ነታ ቤት ኪራኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቑስሊ ሓውዩ እዩ እሞ፡ ኣታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ። ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ። ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ፡ ኣብ ደም እታ እተሕርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ። ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቔድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ። ነታ ህያው ዑድ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። ነታ ቤት ከኣ የተዐርቃ እሞ ትነጽህ። ንኹሉ ዓይነት ቁስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን፡ ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን፡ ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡። ዚረኽሰላ መዓልትን ዚነጽሃላ መዓልትን ኬፍልጥ፡ ሕጊ ለምጺ እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዚከዐዎ፡ በቲ ምኽዓው ርኹስ እዩ። እቲ ጅግል ኽሳዕ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዐወ፡ ነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎ፡ ንሱ ርኽሰቱ እዩ። እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ኹሉ መደቀሲ ይረክስ፡ ኮፍ ዝበሎ ኹሉ ኣቕሓ ድማ ይርከስ። ንመደቀሲኡ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዜብልውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ንስጋ እቲ ግጃል ዝተነከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሓጸብ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ኮረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን። ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ነዚ ዚልዐለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሓጸበ ዝተነከዮ ኹሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ መሸትውን ርኹስ ይኹን። እቲ ጀጋል ዝተነከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፡ ኩሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ። እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቑጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ሾኡ ይነጽህ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይወስድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ፡ ነቲ ኻህን ከኣ ይሀቦ። እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሃጢኣት፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጸ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኩሉ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽንያት ሰርኢ ኣንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ። ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ኹሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክድውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ ክሳዕ ምሸት ይኹን። ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጸግኒኣ እንተ ጸየቖ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ርኹስ ይኹን። ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኮነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ ኣንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጽግኒኣ ዛሕዛሕ ኣንተ በላ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልታት፡ ከምቲ ብመዓልታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ። እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ኹሉ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጸግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ኹሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኹስ ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቑጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን፡ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። እቲ ኻህን ድማ እታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እት ሓንቲ ኸእእ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ። ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱ፡ ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ርኽሰቶም ፍለየዎም። ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ። ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ። ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ኹሉ ጊዜ ኸይኣቱ፡ ንገሮ። ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሓርር መስውእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤት መቕደስ ይእቶ። እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደን፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ሎኢ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይተምጥም። እዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸቡ ይከደኖ። ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሃጢኣት ክልተ ድቤላ፡ ንዚሓርር መስዋእትውን ሓደ ድዑል ይውሰድ። ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ ይተዐርቅ። ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም። ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጭ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጭ ከኣ ንዓዛዜል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም። ኣሮን ድማ ነቲ ዕጭ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ። እቲ ብዕጭ ንዓዛዜል ዝበጽሔ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኺስደድ፡ ንምትዕራቑ ብህይወት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል። ኣሮን ከኣ ነቲ ርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዐርቅ፡ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መስውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውስድ፡ ካብቲ እተጎድኤ ምኡዝ ዓጥን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእተዎ። ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኸውን ኸኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበር። ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግ፡ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ። ነቲ ድቤላ መስውእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ፡ በቲ ደሙውን ከምቲ ብደም ኣቲ ዝራብዕ ዝገብሮ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ። ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝኾነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዐርቆ። ነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ። ንሱ ኼተዐርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዜተዐርቖ፡ ገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኢ ኸኣ፡ ንእኡ የተዐርቆ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ። ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፡ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኣኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን። ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዕሪቑ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ። ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ሃያው ድቤላ የንብር እሞ፡ ብኹሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኣኤልን ብኹሉ በድሎምን ብኹሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ ብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ። እቲ ድቤላ ኸኣ ንኹሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮ፡ ነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ። ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ ነቲ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውሽሳዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ። ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክዳውንቱ ኸኣ ይኸደን። ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእቱን ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ህዝቡን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝቡን የተዐርቕ። ስብሒ መስዋእቲ ሃጢኣኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር። እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈለወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ። መስውእቲ ሓጢኣትን፡ ደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝኣተወ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣዮም፡ ቆርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ። እቲ ዚንድድዎ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ። እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓሰረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእከሎም ዚቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም ኣሞ፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርክትጸንዑ ኢኹም። ንኣኻትኩም ዓባይ ሰነብት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ። እቲ ኣብ ክንዲ ኣቡኡ ኻህን ኪኸውን እተቐባኤን እተቐደሰን ካህን የተዐርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ። ነቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከኣ የተዐርቕ፡ ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዐርቕ፡ ንኻህናት ንኹሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዐርቕ። ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኩሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞምን ዝበሎምን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም። ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተ ሓረደ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘይምጽኦ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቑጸረሉ። ደም ኹዕዩ እዩ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቆስ እዩ። ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ ዚሕረድ መስዋኣቶም ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎ። ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርርሮ። ደጊም እቲ ዚሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዚስዕብዎ ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ። እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም። ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኣኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣኦም ዚነብሩ ጓኖት ዚሐርር መስዋእቲ ወይ ዚሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡ ንእግዚኣብሄር ኪስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ዝህቡ ኩምንቆስ እዩ በሎም። ድማ ዝኾነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኣኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ። ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቖ ኢሉ ሀበኩኹም። ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሃንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ በልኩ። ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዘነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሓዘ፡ ነቲ ደም ይኽዐዎ፡ ሐመድ ድማ ይኽደኖ። ነፍሲ ኹሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኣኤል ከኣ፡ ናይ ዝኾነ ስጋ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቁስ እዩ። ዝኾነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዔ፡ ወይ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፡ ክዳንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሃጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን፡ ሽዑ ይነጽህ። ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጸበ፡ ስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሓጸበ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእተውኩም ሃገር ከንኣን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ። ብእኡ ኽትመላለስ ፍርድታተይ ግበሩ ሕጋጋተይ ከኣ ሓልው። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሕጋጋተይ ፍርድታተይን ሓልው፡ እቲ ዝገብሮ ሰብ ብእኡ ሃይው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላኦ። ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣባኾ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይተቕላዕ ። ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ። ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቲ ኣይትቕረብ፡ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ውድኻ እያ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን ኣዩ። ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይትእቱ። ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ ኣዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸባ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ክትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል እዚ ጉድ ነገር እዩ። እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ኹሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ኹሉ ኣይትርከሱ። እታ ምድሪ በዚ ረኽሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣት ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዎ ኽትተፍኦም እያ። ንስኻትኩም ግን ሕጋግተይን ፍርድታተይን ሓልው፡ ወዲ ዓዲ ኾነ ውወ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፡ ካብ ክሉ እዚ ጽያፍ ዚ ገል ኣይትግበሩ። እዝ ኹሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣባ ዝነብሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኽም ዝንበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍእቶም፡ ንኣኻትኩም ድም ከይትተፋኩም። ካብዚ ኹሉ ጽያፍ እዚ ዝገበር ዘበል፡ ተን ዝገብራ ንፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቆሳ እየን። እቲ ቕድሜኹም ዚገብርው ዝነበሩ ርኹስ ስራታት ከይትገብሩ ብእኡ ኸኣ ከይትርኽሱ፡ እቲ ኽትልውዎ ኢለ ዝኣዘዝክኹም ሓልው። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረቡ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ። ነፍስ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቡኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሐልው። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ። በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዕላቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ፍንፋን ኣዩ፡ ኣይቅቡልን ኣዩ። እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኸኣ ካብ ህዝባ ክትምንቆስ እያ። ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቀሪም ዐጺድካውን ኣይትረእዮ። ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይተርእዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሓስው። ንስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶም ኣይትምሓሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንብጻይካ ኣይጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓልት ክሳዕ ብጊሓት ምሳኽ ኣይሕደር። ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕውር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብፍርዲ ኣይተዐምጹ፡ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጽ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ። ክትሓሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባእ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጺብቕካ ግንሓዮ። ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደየን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕጋጋተይ ሓልው፡ ምልካ ምስ ካልእ ዓይንት ኣይተታሉ፡ ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን። ሰባኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዝይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሓጽየት ሰበይቲ ደቂሱ ኣንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡ ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ኸኣኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ። ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም ኩሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍርኤ ኸም ዝይትገብረ ርአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይብላዕ ድማ። ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ። ኣብዚሑ ኽፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቁሉን ኣይተማርቱን። ወሰነ ወሰን ጸጉሪ ርእስኹም ኣይትቑረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኩም ኣይትቑረጹ። ብዛዕባ ምውት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኹም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። ሰናብተይ ሓልው፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ናብ መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣብ ቅድሚ ሽያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ብፍርዲ ኮነ፡ ብመለክዒ እመት ኮነ፡ ብሚዛን ኮነ፡ ብምሰ ኾነ፡ ኣይትዐምጹ። ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ። እምብኣርሲ ኹሉ ሕጋጋተይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልው ግበርዎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዚህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቐተልዎ። መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስርን፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቁሶ እየ። እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ ኣቶም ህዝቢ ኣታ ሃገር ከይቕትሎም ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡ ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተሰቡን ገጸይ ክመልስ ኣየ፡ ንኣኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ኹሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቁሶም እየ። ናብቶም መናፍስቲ ጥንቆላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢለ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ ኣየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ። ሕጋጋተይ ሐልው፡ ግበርዎውን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቡኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ። ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ። ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘወወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን ኣታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ። ምስ ሰበይቲ ኣቡኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቧኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም ኣዩ። ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኣኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም ኣዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሰብኣይ ከም ዘበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊ ኦም እዩ። ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን ኣንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማኣከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዳ። ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ ኣንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቖረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቧኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወ፡ ሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቁ ህዝቦም ይምንቆሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ። ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዔ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቆሱ እዮም። ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ኪጾሩ እዮም። ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረት ሃው ኣቡኡ ቖልዔ፡ ሓጢኣቶም ይጹሩ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይሙቱ። ሰብ ከኣኣ ሰበይቲ ሓው እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓው ቐልዔ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ። እታ ኽትነብረላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኩሉ ሕጋጋትይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልውን ግበሩን። ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺድ፡ እዚ ኹሉ ገይሮም እዮም ኣሞ ፈንፈንክዎ። በልኩኹም ድማ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስትዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም ኣየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብልን ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ ኣሞ፡ ቅዱሳት ኩነለይ፡ ናተይ ክትኮነ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየልኩም እየ። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቆላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጎል እንተ ኾነ፡ ሞት ይሙቱ፡ ብዳርባ ኣምኒ ይቕተልዎም፡ ደጊም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምውት ካብ ህዝቡ ኣይርከስ፡ ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓው፡ ድማ በታ ኣትቕርቦ ድንግል፡ ዘይትመርዐወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ። ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ ኣዩ፡ ከይገሀስ ርእሱ ኣየርክስ። ርእሶም ላጽዮም ኣየርብሑ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ። ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርከሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ፡ እንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ። ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትው፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሔት ሰበይቲ ኣየእትው። ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን። ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፡ ንሳ ነቦኣ ኣርከሰት፡ ብሓዊ ትንደድ። እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ኪለብስ ድማ እትቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ። ናብ ገለ ምውት ሰብ ድማ ኣይእቶ፡ በቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ። እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣየ። ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ። ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዝመጽእ ወለዶኦም ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጎደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ዝኾነ ሰብ ጎደሎ ዘለዎ፡ ዕውር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡ ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ ወይ ጎባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሐበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ። ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጎደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ኬቕርብ ኣይቕረብ። ጎደሎ ኣለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። እንጌራ ኣምላኹ ኻብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱሳን ይብላዕ። ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጎደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ከኣ ኣይቕረብ። ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንኣሮንን ንደቁን፡ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዚቕደሱለይ ቅዱስ ነገር ኪፍለዮን፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከኣ ከየርክሱን ንገሮም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብዚመጽእ ወለዶኹም ዝኾነ ሰብ ካብ ኩሉ ዘርእኹም፡ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ኸሎ፡ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚቕድሱሉ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ቅድመይ ክትምንቆስ እያ በሎም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣሮን ለምጻም ወይ ዘርኡ ዚከዐዎ፡ ክሳዕ ዚነጽሕ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምውት ዝረኸሰ ዘበለ ነገር ዝተንከየ፡ ወይ ዘርኡ ኻብኡ ዝወጾ ሰብ፡ ወይ ንዜርክሶ ዘበለ ለመምታ ዝተንከየ ሰብ፡ ወይ ዝኾነ ርኹሰት ብዘለዎ ሰብ ዝረኸሰ፡ ነዚ ዝተንከየን ነፍሲ ኽሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን፡ ስጋኡ ብማይ ክሳዕ ዝሕጸብ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ ይነጽህ፡ ድሕርቲ፡ ንሱ ምግቡ ኣዩ እሞ፡ ካብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ። ብእኡ ኸይረክስሲ፡ ሕሉቕን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይጾሩ፡ እንተ ኣርከስዎ ድማ፡ ከሞቱ፡ ትእዛዘይ ይሐልው። ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ። ጓና ዘበለ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ፡ ምስ ካህን ዚነብር ወይ ግዚኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። እቲ ኻህን ብገንዘቡ ተሻይጡ ሰብ እንተ እጥረየ ግና፡ ንሱ ኻብኡ ይብላዕ፡ ኣብ ቤቱ እተወልደ ኸኣ ከምኡ፡ እዚኣቶም ካብቲ ኣንጌራኡ ይብልዑ። ጓል ካህን ድማ ሰበይቲ ጓና እንተ ኾነት፡ ካብቲ ናይ ቅዱስ ነገር ዚልዐል መስዋእቲ ኣይትብላዕ። ጓል ካህን ዘበለት እንተ ኾነት ወይ ፍትሕቲ፡ ውሉስ ዜብላ፡ ተመሊሳ፡ ከምቲ ብጓላ ኸላ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተቐመጠት፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ። ጓና ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ። ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣንተ ብልዔ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሳይ ኣፍ ወሲኹ እቲ ቅዱስ ነገር ንኻህን ይሀቦ። ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቕድሶም ነገር ብምብላዖም በደል ዚኸኖም ክፍኣት ከይጸሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ። ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቕድሶም ነገር ብምብላዖም በደል ዚኸኖም ክፍኣት ከይጸሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብር ጓና መስዋእቱ ዜቕርብ፡ መስዋእቲ መብጽዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር ንዚሓርር መስዋእቲ ዜቕርብዎ፡ ማንቲ ኺፍተወልኩም፡ ካብ ኣብዑር ኮነ ወይ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ኣቕርቡ። ጎደሎ ዘለዎ ዘበለ ግና ኣይፍተወልኩምን እዩ እሞ፡ ኣይተቕርብዎ። ዝኾነ ሰብ ድማ ብምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፡ ካብ ማል ኮነ ውይ ካብ ጤለበጊዕ፡ ምስ ዜቕርብ፡ ምእንቲ ኺፍቶ ጎደሎ ዜብሉ ይኹን፡ ገለ እኳ ጎደሎ ኣይሀልዎ። ዕውር ወይ ስቡአ ወይ ቁሩጽ ወይ ቁሱል ወይ ዐባቕ ወይ ሳሕራም፡ እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ካብ እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ ። ብዕራይ ወይ በጊዕ ኣካሉ እንተ ነውሔ ወይ እንተ ሓጸረ፡ ንመስዋእቲ ፍቃድሲ ግበሮ፡ ንመስዋእቲ ምብጽዓ ግና ኣይፍትኖን እየ። ብምጭፍላቕ ወይ ብምቕጥቃጥ ወይ ብምምላሕ ወይ ብምቑራጽ ዝሶረ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፡ ኣብ ሃገርኩምውን ኣይትግበርዎ። እዚኣቶም ጉድኣት እዮም፡ ጎደሎ ኣለዎም እሞ፡ ካብ ኢድ ጓና ድማ ካብዚ ኹሉ እንጌራ ኣምላኽኩም ኣይትቕርቡ፡ ኣይፍተወልኩምን ኣዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ብተይ ወይ የት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ ካብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንንየው ከኣኣ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ፍትዊ እዩ። ላም ኮነ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ። መስዋኣቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዚፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፡ ካብኣ ገለ እኳ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣይትሕደጉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣየ። ትእዛዛተይ ድማ ሓልው፡ ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣብ ማእክለ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስሲ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ። ዝቕድሰኩም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ። ኣምላኽኩም ምእንቲ ክከውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን በዓላት እግዚኣብሄር፡ እዚኣተን በዓላተይ ኣየን፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዚጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ ኣያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ። ኣቶም ብምዱባ ግዚያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኪመሲ ኸሎ፡ ፋሲጋ እግዚኣብሄር እዩ። በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሃሙሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ቐዳመይቲ ቕዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይተዕየዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ ኣቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሓርር መስዋእቲ ጎደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። ነቲ ምስኡ ዘሎ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እትቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን። ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ኾነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኮነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኮነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። ካብታ ዚውዝውዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ዞጾርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና። ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰነብት ሓምሳ መዓልቲ ቖጺሩ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ። ካብቲ እትነብርዎ፡ እንጌራ መስዋእቲ ምውዝውዛ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ በኹዕ እተሰንከተ ክልተ እንጌራ ህያብ በኹራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ። ምስቲ እንጌራ ድማ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ሃደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል ኣቕርቡ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ ይኹኑ። ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ይኹን። ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። እቲ ኻህን ድማ ንኣታቶም ምስቲ እንጌራ በኹራትን ምስ ክልቲኦም ገንሸልን ሀይሩ፡ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር እተቐደሱ፡ ንኻህን ይኹኑ። በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ኣውጁ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። ኣዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉስ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ዓጺድ ምድርኹም ክትዐጽዱ ኸለኹም፡ ክሳዕ ወሰን ግራትካ ኣይትዕጸድ፡ ቐሪም እቲ ዕጹድካውን ኣይትእረዩ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዐየዩ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ንሳ መዓልቲ ዕርቂ እያ። ሽዑ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኪም፡ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣኣ መስዋእቲ ሓዊ ሰውኡ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ ኣሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። በታ መዓልቲ ኣቲኣ ዘይትዋረድ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቁስ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ዕዮ እትዐዮ ዘበለት ነፍሲ፡ ነታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል ህዝባ ኽጥፍኣ እየ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ኣብ ኩሉ እትነብርዎ፡ ንውሉስ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። እዚኣ ፍጹም ሰነብት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸት፡ ንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብልዕዋ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ። ኣብታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይተዕየዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ብሳምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሃዊ ኣቕርቡ። ዓብዩ በዓል ማሕበር እዩ፡ ተግባር ዕዩ ዘበለ ኣይትዕየዩ። ቅዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋኣቲ መስተን እተቕርቡለን በዓልት እግዚኣብሄር እዚኣተን እየን። እዚ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄርን ብዘይ እቲ ሃይባትኩምን ብዘይ ኩሉ መብጽዓኹምን ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር ብፍቓድ እትህብዎ ኹሉ መስዋእትኩምን እዩ። ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣታሕስሰኩም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ስነበት ዕረፍቲ ትኹን፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስደስ ኣእዋምን ዕቦል ርባ ኸኣ ውሰዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሓጎሱ። ነዚ በዓል እዚ ኣብ ዓመት ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኦም ከለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎ፡ ውሉድ ወለዶኹም እንቲ ኺፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ። እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኦም ከለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎ፡ ውሉድ ወለዶኹም እንቲ ኺፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓልት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ቐንዴል ዚኸውን እተጎድኤ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጹልካ አዝዝ። ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳብ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ነቲ ቐንዴል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ ይዳልዎ። ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክት፡ ነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን። ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኪኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ ኣንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር። ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ። እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ አኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። ወሲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወይ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸ፡ ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሱ። ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣኣ ሰሎሚት ጓል ዲቦሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት። ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚቑረጸሎም ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ኣጽንሕዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ነቲ መቃለሲ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ኹሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ። ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለ፡ ሓጢኣቱ ይጸውር። እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ። ጓና ኾነ ወይ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት። ንዝኾነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት። እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት። ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዚጉድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ይግበርዎ። ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጉደሎ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ። እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉ፡ ሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝኾነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም። ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምስሪ ምስ ኣቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል። ሹዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹዱሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍሬኣ ድማ ኣክብ። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕረፍቲ፡ ሰነበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ። ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰነበት ዕረፍቲ ይኹን። ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን። ኩሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለው እንስሳን ቀለብ ይኹን። ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቖጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓትን ዓመት ይኹነልካ። ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዝነብሩ ኹሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም ነፊስ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ይኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣባኣ ዘበቖለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። እዚኣ ዓመት እልልታ እያ ኣሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝኣተወ ብልዑ። በዛ ዓመት እልልታ ነፍስ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ። ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻየጥካ፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይዐምጽ። ብቑጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቑጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዢሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣውሕድ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደ ፍራህ። ሓጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሓልውን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ። እንሆ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ ኣንተ በልኩም፡ ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸኣኣ ከተፍርየልኩም እያ። በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ኸኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። ምድሪ ናተይ እያ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ። ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተ ሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓው ዝሸጦ ይበጀዎ። ዚብጀዎ ዘመድ ኣንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚኣኣክልውን እንተ ረኸበ፡ እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቑጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይመለስ። ንምምለሲኡ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ። ሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ ኣታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉ ይኹን። ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትውጽእን። ኣብ ዙርያኤን ቁጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ሰበይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሓሰብ፡ በጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ። ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፡ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወን፡ ንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን ኣታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ። ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ። ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሓጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጽጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኸኣ ሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትሀብ፡ እኽልኻ ኸአ ብረብሓ ኣይትሀቦ። ኣምላኽ ክኾነልኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ። ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርስቱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡ ከም በዓል ዕስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቱ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዝሽየጥ ኣይሸየጡ። ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ንኣኻ ዚኾነ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርትያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለው ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ። ካብ ደቂ እቶ ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም። ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓው ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። ጓና ወይ ምሳኽ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ። ድሕሪ ምሻጡ ይበጀዎም፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ። ሓው ኣቡኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቡኡ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ። ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ኾይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቁጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን። ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ። ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ። ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። በዚ እንተ ዝይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ። ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ። ሰናብተይ ሓልው መቕደሰይውን ፍርሁ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ ኣንተ ሓለኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣኣ፡ ኣነ ዝናምኩም ብጊዚኡ ኣህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍርኤን ይህባ። መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ኽሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን። ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኽጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሕልፍን። ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጎዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍረየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣኣ ምሳኻትኩም ኬቕውም እየ። ነዊሕ እተዐቑረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፡ ስለቲ ሓድሽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጉሕፍዎ። ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክግበር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን። ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ፡ ኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትኾኑኒ። መታን ባሮቶም ከይትኾኑ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቁራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገብርኩኹም። ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ኹሉ ትእዛዛተይ እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡ ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኩሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ ኣንተ ኣፍረስኩም፡ ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቆ ነፍሲ ኸኣኣ ዜድክም ዓሶም ክሰደልኩም እየ። ጸላእኽትኩም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ። ገጸይ ከኣ ናይ ልዕሌኹም ከመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእኽትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልእኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም። ዝሰጎጎኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም። በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽቕጽዓኩም እየ። ነዚ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድሪኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ። ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ። ክትጸረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ። ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቑጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡ ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም። ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ። በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ እንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይሰንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፡ ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም። ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። በረኸትኩም ኤፍርስ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ። ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቃድስኩምን ኣኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ ነቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጭንዎን። ነታ ሃገር ድማ ኻባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም። ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተምታትኩምውን በረኻ ይኾና። ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ኹሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣኣ ባህ ይብላ። እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸለኾም፡ ንሰናብትኹም ዘይዐረፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ኹሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ። ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለው፡ ምሸባር ናብ ልቦም ክኣቱ እየ፡ ደኣይ እተነቓነቐት ቆጽሊ ኸኣ ይህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዝሀድም ይሀድም፡ ገለ ኸይሰጎጎም ከኣ ይወድቁ። ሓደ እኳ ኸይሰጎጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእኽትኹም ከኣ ክትቆሙ ኣይትኽእሉን። ኣብ ማእከል ህዝብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርኩዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእተኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዘር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶውን እንተ ተቐበሉ፡ ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ። ነታ ሃገር ኪሓድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ። እዚ ኽንሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለው ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ። ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጽኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝኣቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ እግዚኣብሄር ቢድ ሙሴ ኣብ ደብረሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመባጽዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሓሰቡ። እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን። ጓል እንስተይቲ እንተ ኾነት ኸኣ፡ ገምጋክማ ሰላሳ ሲቃል ይኹን። ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ኾነ ድማ፡ ገምገምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋም ንጓል ኣንስተይቲውን ስለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን። ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ኾነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ ኣንተ ኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ኾነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ኹሉ ቅዱስ ይኹን። ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ። ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ኾኑ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡ ጽቡቕ እንተ ኾይኑ ወይ ክፉእ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግሞ። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን። ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ። ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም። እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ድለአየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን። ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርአ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሓሰብ። ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም። ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተረፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጉደል። እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወሰኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም። ነቲ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ ኣንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ። ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሓርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን። ካብ ግራት ርስቱ ዘይኮነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ። ብዓመት እልልታ ግና ኣታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ። ኩሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን። በኩሪ እንስሳ ግና፡ በኹሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ፡ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይክእልን። ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ። ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጅዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ። ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሓረሞ ኹሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝኾነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ወይ ግራት ርስቱ ዝኾነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሓርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እተሓርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ። ኩሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኾነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኮነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደስ እዩ። ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ሰለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። ዕሽር ኩሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሓልፍ ኩሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለወጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ። እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዝ እዚ እዩ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ተባዕታይ ዘበለ ነንርእሲ ኸም ቁጽሪ ውሰድ። ንስኻን ኣሮንን፡ ኣብ እስራኤል ንዘለው ኹሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ኪወጹ ዚኽእሉ በብሰራዊቶም ቁጽሮም። ኣብ ማይ ቤት ኣቦታቱ ዋና ዝኸውን ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ ምሳኹም ይኹን። እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰባት ድማ ስሞም እዚ እዩ፡ ካብ ሮቤል፡ ኤሉጽር ወዲ ሽዴውር። ካብ ስምኦን፡ ሹሉሜኤል ወዲ ጹርሻዳይ። ካብ ይሁዳ ነኣሶር ወዲ ኣሚናደብ። ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል ወዲ ጹዓር። ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ ወዲ ሔሎን። ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ ወዲ ጰዳህጹር። ካብ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ። ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ። ካብ ኣሴር፡ ጳግዓኒኤል ወዲ ዖክራን። ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል። ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን። እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ፡ ሹማምቲ ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል ነበሩ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተጸውዑ ሰባት ወሰዱ። ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብቐዳማአይቲ መዓልቲ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ነንርእሲ፡ በብስሞም ተቖጺሮም ተጻሕፉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና ቆጸሮም። ወለዶ ደቂ ሮቤል በኹሪ እስራኤል፡ በብዓልቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም ተባዕትዮ፡ እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተቖጽሩ ኣርብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም ተባዕትዮ፡ እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተቖጽሩ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም በብማይቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ እተቖጽሩ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዮሴፍ፡ ወለዶ ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተቑጽሩ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ምናሴ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ነገድ ብንያም እተቖጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ወለዶ ደቂ ዳን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቑጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ዳን እተቖጽሩ፡ ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮነ። ወለዶ ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተቖጽሩ፡ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮነ። ወለዶ ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተቖጽሩ፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። እቶም እተቖጽሩ፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሳፍንቲ እስራኤልን ዝቆጽርዎም እዚኣቶም እዮም። እሞ ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቖጽሩ ዝኾኑ ኹሎም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ዚወጹ ኹሎም፡ እቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሹዱሽተ ሚእትን ስለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ። ሌዋውያን ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተቖጽሩን። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ ነበረ እሞ። ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይተቖጽሮም፡ ቁጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ። ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ኹሉን ኣመዝዞም ንሳቶም ነቲ ማሕደርን ንኹሉ ኣቓሑኡን ይጹሩ። ንእኡ ኸኣ ንሳቶም የገልግሉ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ። እቲ ማሕደር ምስ ዚነቅል ሌዋውያን የውርድዎ። እቲ ማሕደር ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ጓና እንተ ቐረባ ድማ፡ ይሙት። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ሰሰንደቕ ዕላማኡ መምስ ሰራዊቶም ይስፈሩ። ሌዋውያን ግና ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቁጥዓ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ማሕደር ምስክር ይሓልውዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሰኢ ዝኣዘዞ ኹሉ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላምኡን ኣብ ነናይ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይሰፈሩ። እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዞሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናደብ እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ። ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እቶም ቁጹራት ሰፈር ይሁዳ ኹሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጎዐዙ። ሰንደቕ ዕላማ ደፈር ሮቤል፡ ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡ ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ኣርብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሹሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ። ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ። ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈረ ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጎዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ይጎዐዙ። ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈረ ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጎዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ይጎዐዙ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴ፡ ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር እዩ፡ ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። ድማ ነገድ ብንያም፡ ሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊደዖኒ እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እቶም ቁጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኩሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡ ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ። ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ፡ ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ። ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እቶም ቁጹራት ሰፈር ዳን ኩሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ደጀን ኮይኖም ይጎዐዙ። እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቖጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብስራዊቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሹዱሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቖጽሩን። ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ገበሩ፡ ከምኡ በብሰንደቕ ዕላምኦም ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ተጓዕዙ። በታ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና እተዛረበላ መዓልቲ፡ ወለዶ ኣሮንን ሙሴን እዚ እዩ። ስም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፡ ነዳብ እቲ በኹርን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን። ስም እቶም እተቐብኡ ኻህናት፡ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ። ናድብ ኣቢሁን ከኣ ኣብ በረኻ ሲና ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጋሻ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛር ኢታማርን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኦም ኣሮን ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንነገድ ሌዊ ናብዚ እቕርቦ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎ ባ ቅድሚ ኣሮን ካህን፡ ደው ኣብሎም። በቲ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መዙን መዚ ኹሉ እቲ ኣኼባን ይሐልው። ኩሉ እቕሓ ድንኳን ምርኻብን መዚ ደቂ እስራኤልን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር። ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም፡ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም። ንኣሮንን ንደቁን ድማ እቲ ናይ ክህነቶም ኪሕልው ኣመዝዞም። ጓና እንተ ቐረባ ኸአ ይሙት። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ በኩሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኣኤል ወሲዶም እየ እሞ፡ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። በኹሪ ዝኾነ ኹሉ ንኣይ እዩ እሞ፡ በታ ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡ ሰብ ኮነ፡ እንስሳ ኾነ፡ ኩሉ በኹሪ ኣብ እስራኤል፡ ንኣይ ቀዲሰዮ እየ፡ ንኣይ ይኹን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጽሮምን፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ኹሉ ተባዕታይ ቁጽሮም። ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቖጸሮም። ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን። ስም ደቂ ጌርሾን ድማ በብዓሌቶም እዚ እዩ፡ ሊብኒን ሺምዒን። ደቂ ቃሃት ድማ በብዓሌቶም፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን እዮም። ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ካብ ጌርሾን ዓሌት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም። ቁጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ቑጹራት ተባዕትዮ፡ እቶም ቁጽራቶም ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዮም። ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ይስፈሩ። ሹም ማይ ቤት ኣቦ ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። ሓለዋ ደቂ ጌርሾን ኣብ ድንኳ ምርኻብ ድማ ነቲ ማሕደርን መኽደኒኡን መደረብራኣኡን መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ዙትያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማድን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱ እዩ። ካብ ቃሃት ድማ ዓሌት ኣምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ሔብሮናውያንን ዓሌት ዑዙኤላውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ቃሃታውያን እዮም። እቶም ሐለዋ መቕደስ ዚሕልው ዝነበሩ ኻብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ምስ ተቖጽሩ፡ ሾሞንተ ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ዓሌታት ደቂ ቃሃት ንማሕደር ብሸነኽ ደቡብ ይስፈሩ። ሹም ማይ በኢት ኣቦ ዓሌታት ቃሃታውያን ድማ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዙኤል እዩ። ሓለዋኦም ድማ ታቦት ሰደቓን ቀዋሚ ቐንዴልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑን እቲ መጋረጃን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱን እዩ። ሹም ሹማምቲ ሌዋውያን ከኣ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልው፡ ገበዞም ይኹን። ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ምስ ተቖጽሩ፡ እቶም ቑጹራቶም ሹዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት መራሪ፡ ጹርኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ንማሕደር ብሸነኽ ሰሜኑ ይስፈሩ። እተመዘዝዎ ሓለዋ ደቂ መራሪ ድማ ንኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣኦኑዱን ኣእጋሩን ኩሉ እቓሑኡን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱን፡ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ በብዙርያኡን ኣእጋሩን ሸኻውልቱን ኣግማዱን እዩ። እቶም ኣብ መንጽር ማሕደር ብምብራቑ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ምውጻእ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓለዋ ደቂ እስራኤል ኣብ መቕደስ ዚሕሎ ይሕልው ነበሩ። ጓና ናብኡ እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት። እቶም እተቖጽሩ ኩሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቖጸርዎም፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኮኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ኩሎም ተባዕትዮ በኹሪ ደቂ እስራኤል ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለው ቑጸር፡ ቁጽሪ ስሞም ድማ ውሰድ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ኹሎም በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ በኹሪ ማል ደቂ እስራኤል ንኣይ ውሰዶም። ሙሴ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ቆጸረ። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ኹሉ በኹሪ ተባዕታይ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ቁጹራቶምን ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ማሎም ውሰድ፡ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። በጃ እቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ስለስተን በኩር ደቂ እስራኤል፡ ካብ ቁጽሪ ሌዋውያን ዝሐለፉ ኸኣ፡ ነንርእሲ ሓሙሽተ ሲቃል ውሰድ፡ ብሲቃል መቕደስ ውሰድ፡ ሲቃል ዕስራ ጌራ እዩ። ናይቶም ሕልፊ ዝኾኑ ኸኣ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም። ሙሴ ድማ ካብቶም ብሌዋውያን እተበጀዎም ሕልፊ ዝኾኑ፡ ገንዘብ በጃ ወሰደ። ካብ በኹርታት ደቂ እስራኣኤል ብሲቃል መቕደስ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ሲቃል ገንዘብ ወሰደ። ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም። ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺኣትው ዚኽእሉ ኹሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ። ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺኣትው ዚኽእሉ ኹሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ። ኣገልግሎት ደቂ ቃሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር እዚ እዩ፡ እቲ ሰፈር ምስ ዚነቕል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቁርበት ታሃስ ይግበረሉ፡ ኩሉንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱውን የእትውሉ። ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሒላባትን ጭሔሎታትን ጽውኣትን እቲ ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ኩስኩስትታትውን ይሰርዑ፡ እቲ ናይ ወርትግ እንጌራ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ግምጃ ይዘርግሑሉ፡ ንእኡ ኸአ ብቑበርት ታሃስ እተገብረ መኽደኒ ገይሮም ይኸድንዎ፡ እቲ መሰላታቱውን የእትውሉ። ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ቅልዒ ቐኒዱሉን መሳቕዩኡን መዋህለል ርስሓቱን እቲ ኹሉ ዜገልግልሉ፡ ናይ ዘይቲ ኣቓሑኡ ኸኣ ይኽደኑ። ምስ ኩሉ ኣቓሑኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኽደኒ ናይ ታሃስ ቆርበት የንብርዎ፡ ኣብ መሰላ ኸኣ ይግበርዎ። ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዝርግሑ፡ መኽደኒ ድማ ብቖርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትውሉ። ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኹሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ ይግበርዎ። መኽደኒ ኸኣ ብቖርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ ኣብ መሰላውን ይጉሓፍዎ፡ ቀይሕ ዓለባ ኸአ ይዘርግሑሉ። እቲ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታት ሸዃታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቖርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ ይእትውሉ። እቲ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታት ሸዃታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቖርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ ይእትውሉ። ኣሮንን ደቁን ምኽዳን መቕደስን ኩሉ ኣቓሑ መቕደስን ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ሰፈር ድማ ምስ ዚነቅል፡ ድሕርዚ ደቂ ቃሃት ኪጾሩ ይምጽኡ። ከይሞቱ ግና፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ኣይተንክይዎ። ናይ ድንኳን ምርኻብ ጾር ደቂ ቃሃት እዚ እዩ። መዚ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብቲ ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን ዘይትን ኣብቲ ምኡዝ ዕጣንን ኣብቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ዘይቲ እባኣትን፡ ኣብ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን፡ ኣብ መቕደስን ኣብ ኣቓሑኡን ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ነገድ ዓሌታት ቃሃታውያን ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም። ናብ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር ምስ ዚቐርቡ ከይሞቱ፡ ብህይወት ደኣ ኺነብሩ፡ እዚ ግበሩሎም፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣገልግሎቱን ጸጸሩን የመልክትዎም። ግናኸ ከይሞቱ፡ ነቲ ቅዱስ ነገር፡ ቅጽበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ፡ ንምርኣዩ ኣይእተው። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ ጌርሾን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጽሮም ውሰድ። ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፡ ንዕዮ ዚበዑ፡ ኣብ ዕዩ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዝኽእሉ ኹሎም ቁጸሮም። እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሶናውያን ንምግልጋልን ንምጽዋርን እዚ እዩ፡ እቲ ዓለባታት ማሕደርን ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን ኣቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቆርበት ታሃስን፡ እቲ መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡ እቲ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኩሉ ኣቓሑ ኣገልግሎቶምን ይጹሩ፡ ናይቲ ብኣታቶም ዚግበር ኩሉ ብእኡ የገልግሉ። ናይ ደቂ ጌርሶውያን ኩሉ ጾርን ኩሉ ዕዮኦምን ንኹሉ ኣገልግሎቶም ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ብጸሮም ዘበለ ኹሉ ኺሓልዩ ኣመዝዝዎም። ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ እቲ ሓለዋኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን። ንደቂ መራሪ ኸኣ በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጽሮም። ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቁጽሮም። ሓለዋ ጾሮም ብኹሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ ኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡ ኣዕኑድ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ኣእጋሩን ሸኻውልቱን ኣግማዱን ምስ ኩሉ ኣቓሑኡን ምስቲ ዘዐየሉ ዘበለ ኹሉን፡ እቲ ዚሕልውዎን ዚጾርዎን ኣቓሑ በብስሙ ቖጸርዎ። እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ መራሪ እዚ እዩ። ኩሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን። ሙሴን ኣሮንንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቆጸርዎም። ሙሴን ኣሮንንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቆጸርዎም። እቶም ካባታቶም በብዓሌቶም እተቖጽሩ ኽልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ። እቶም ካብ ዓሌታት ቃሃታውያን እተቖጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልገሉ ኹሎም፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝቖጸርዎም እዚኣቶም እዮም። እቶም ካብ ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቖጽሩ ድማ፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡ እቶም በብዒሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካባታቶም እተቖጽሩ፡ ክልተ ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሶን እተቖጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉሽ ኹሎም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቆጸርዎ እዚኣቶም እዮም። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ብመራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቖጽሩ ድማ፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡ እቶም በብዓሌቶም ካባታቶም እተቖጽሩ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተቖጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ሙሴን ኣሮንን ዝቖጸርዎም፡ እዚኣቶም እዮም። እቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እስራኤልን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ዝቖጸርዎም፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብቲ ዚዕየ ዕዮ ኼገልግሉ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ፡ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡ እቶም ካባታቶም እተቖጸሩ ሾሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ኮኑ። ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ነፍስ ወከፍ ነናኣገልግሎቱን ነንጾሩን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቖጸሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኹሉ ለምጻምን ንኹሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ኹሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ተባዕታይ ኮነ ኣንስታይ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም። ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሰብ ካብ ዚገብሮ ሓጢኣት ኩሉ ብምግባሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ዚዕግብ እታ ነፍሲ እቲኣ በዳሊት ኮነት፡ ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣቶም ይናዘዙ፡ እቲ ዝበደሎብመልኡ ይምለሶ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕምሻኡ ይወስኽ፡ ነቲ ዝበደሎ ኸኣ ይሀቦ። እቲ እተበደለ ነቲ ዝምለሶ ገንዘብ ዚወርሶ ዜብሉ እንተ ኾነ፡ እቲ ዝምለስ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ብጀካ እቲ ንሱ ዚዕረቐሉ ድዑል መተዓረቒ ንኻህን ይኹን። ኩሉ ዚለዐለ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ካብ ኩሉ ቅዱስ ነገር ናብ ካህን ዜምጽእዎ ንእኡ ይኹን። ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን። ሰብ ንኻህን ዚህቦ ዘበለ ንእኡ ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰበኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፡ ዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ፡ ካልኣ ሰብኣይ ምሳኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣይ እንተ ተኸወለ፡ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት፡ ምስክር ድማ እንተ ዘይተረኸባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡ መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፋኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይክዐዎ፡ ዕጣንውን ኣይገበሮ። እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሐደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር። እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደቅ ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢድ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ። እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀሰኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ኼንኪ፡ እዚ መርገም ዘምጽእ መሪር ማይ ኣይጉዳእኪ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ንምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡ ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን፡ ኣሜን ትበል። ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዘምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኤን የቕልቦ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። ነቲ ማይ ምስ ኣስትያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ኾይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ኣትዮ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። ኣታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እተ ኾይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ። ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ ኣትረክስ፡ ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ካህን ድማ እዚ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብኣይ ኮነ ወይ ሰበይቲ ንዛራዊ ኪኸውን ንእግዚኣብሄር ኪፍለ እንተ ተመባጽዔ፡ ካብ ወይንን ካብ ዜስክር መስተን ይፈለ፡ ዝመጸጸ ወይኒ ኾነይ ወይ ዘይመጸጸ ዜስክር መስተ ኣይስተ፡ ገለ ኻብ ወይኒ እተጸምቆ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ ድማ ብሰዊቱ ኾነ ወይ ብንቑጹ ኣይብላዕ። ብኹለን መዓልትታት ናዝራዊቱ ፍሬኡ ኸሎ ገፈሉ ኾነ፡ ገለ ኻብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ። ብኹለን መዓልትታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፍለየን መዓልትታት ክሳዕ ዝመልኣ፡ ቅዱስ ይኹን፡ ጸጉሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ። በተን ንእግዚኣብሄር እተፈለየን ኩለን መዓልታት ናብ ምውት ሰብ ኣይእቶ። ናዝራዊነቱ ንኣምላኽ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ በቦኡን በዲኡን ብሓውን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ። ብኹለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ ርእሲ ናዝራዊነቱ እንተ ረኸሰ፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ ስንኳን ምርኻብ ናብ ካህን የምጽእ። ኣቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውእ፡ ካብቲ በቲ ምውት ዝገበሮ ሓጢኣት የተዐርቆ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንእግዚኣብሄር ይፍለ፡ ንመስዋእቲ በደል ድማ ገንሸል ዓመት የምጽእ። እቲ ናዝራነቱ ስለ ዝረኸሰ እተን ቀድሞት መዓልትታት ከንቱ ኾና። ሕጊ ናዝራዊ ኸኣ እዚ እዩ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ምስ መልአ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። መስዋእቱ ድማ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጎደሎ ዜብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጎደሎ ዜብሉ ድዑል፡ ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኽኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። መስዋእቱ ድማ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጎደሎ ዜብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጎደሎ ዜብሉ ድዑል፡ ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኽኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ከኣ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣቱን ንዚሓርር መስዋእቱን ይሰውኣዮ። ነቲ ድዑል ድማ ምስቲ ዘይበኹዔ መሶብ እንጌራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኣዮ፡ እቲ ኻህን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ከአ ይሰውእ። እቲ ናዝራዊ ድማ ንነቲ ርእሲ ናዝራዊነቱ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይላጸዩ፡ ነቲ ጸጉሪ ርእዚ ናዝራዊነቱ ወሲዱ ኸአ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ የእትዎ። ነቲ ናዝራዊነቱ ምስ ላጸየ ድማ፡ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ድዑል ይውሰድ፡ ካብቲ መሶብ ከኣ ሓደ ዘይበኹዔ ቕጫን ሓደ ዘበኹዔ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብር። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምውዝዋ ይወዝውዞ። እዚ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸልን ዚለዐል እግርን ነቲ ኻህን ይቀደስ። ድሕርዚ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ይስተ። ብጀካ እቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሕጊ እቲ እተመባጽዔ ናዝራውን ናይ ናዝራዊነት መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር እዚ እዩ። ከምቲ ሕጊ ናዝራዊነቱ፡ ከምቲ እተመባጽዖ መብጽዓ ኸምኡ ይግበር። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኣኤል ከምዚ ኢልኩም ባረኽዎም፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሀብካ። ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩ፡ ኣነ ኸኣ ክባርኾም እየ። ኮነ ኸኣ፡ ንሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመሉ መዓልቲ ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንኹሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቅብኦ ምስ ቅደሶን፡ ሹማምቲ እስራኤል፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጹራት ዝነበሩ፡ ህያብ ኣቕረቡ፡ ህያቦም ሹዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ ንነፍስ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ፡ ናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዩ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍስ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሀቦም። ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሀቦም። ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሀቦም። ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣርባዕተ ሰረገላን ሾምንተ ብዕራይን ሀቦም። ንድቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣግልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞ፡ ገለ ኣይሀቦምን። እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡ፡ እቶም ሹማምቲ ቖርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቑርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡ፡ በሎ። እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቑርባኑ ዘቕረባ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እዩ። ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመሰዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጠዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸአ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ነኣሾን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ። ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ ኣቕረበ። ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝምለኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎን፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚኣትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስውእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ። ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዝኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት ቁርባን ኣኤሊጹር ወዲ ሽደውር እዚ እዩ። ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሜኤል ወዲ ጹርሻዳይ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹርሻዳይ እዚ እዩ። ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስውእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሃሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ። ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ። ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ፡ ሹም ደቂ ብንያም፡ ቁርባኑ ብዚቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሃደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት። ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ። ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ኦኣመት፡ ቁርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ። ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ፡ ሹም ደቂ ዳን፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛን ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ። ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸአ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳን እዚ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዔል ወዲ ዖክራን፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሒኣዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ። በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲ፡ ህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ። ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ኹሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኮነ። እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ኹሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኮነ። ኩሎም ኣብዑር ንዚሓርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ፡ ኩሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል ስሳ ድቤላ፡ ስሳ ገንሸል ዓመት ኮነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብኤ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ። ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኩሩቤል እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮን ተዛረቦ በሎ ኸአ፡ ቀንዴል ምስ እተሰቅል፡ እቲ ሾብዓተ ቐንዴል ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዘበርህ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ገበሮ። ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፡ ካብ ወርቂ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ፡ ንሱ ኣእጋሩ ኮነ ዕምበባኡ ኾነ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርአዮ ምስሊ ገበሮ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከአ። ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፡ ማይ ንጽህና ንጸገሎም፡ ኣብ ብዘሎ ስጋኦም ድማ መላጸ የሕልፉ፡ ክዳውንቶም ይሕጸቡ ይንጽሁ ኸኣ። ድሕርዚ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሕርጭ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ውሰድ። ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልውን ኣክቦ። ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፡ ደቂ እስራኤል ከአ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ። ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ነገልግሎት ዕዮ እግዚኣብሄር ኪኾኑ፡ ዚውዝውዝ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዐት የንብሩ፡ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዐርቖም ከአ፡ እቲ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እቲ ኻልኣይ ከአ ንዚሐርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር ሰውኣዮም። ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣቑሞም እሞ ንእግዚኣብሄር ዚውዝውዝ መስዋእቲ ጌርካ ወዝውዞም። ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ኪኾኑስ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ፍለዮም። ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተው እሞ ኣንጽሃዮም፡ ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ኸኣ ወዝውዞም። ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ብመላኦም ንኣይ ተውሂቦም እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ፡ በኹሪ ኹሎም ደቂ እስራኤል፡ ንኣይ ወሲደዮም እየ። ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ኩሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ናተይ እዩ እሞ፡ በታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንኹሉ በኹሪ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም። ኣብ ክንዲ ኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎት ደቂ እስራኤል ኬገልግሉ እሞ ንደቂ እስራኤል ኬተዐርቕዎም፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከአ ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ህያብ ሂበዮም ኣለኹ። ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ኸምኡ ገበረሎም። ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ኸምኡ ገበረሎም። ሌዋውያን ከአ ነጽሁ፡ ክዳንውቶምውን ሓጸቡ፡ ኣሮን ከአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ወዝወዞም፡ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዐረቖም። ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኣተው። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበረሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንሌዋውያን ዚግባእ እዚ እዩ፡ ካብ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተው። ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ከአ ካብ ዕዮ ኣገልግሎት ይመለስ፡ ድሕሪ ደጊም ኣየገልግል። ኣብቲ ሓለዋ ኣሕዋቱ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ይሐግዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ፡ ንሌዋውያን በቲ ሓለዋኦም ከምኡ ግበረሎም። ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዚኡ ፋስጋ የብዕሉ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብዕልዎ። ከም ኩሉ ሕጋጋቱን ከም ኩሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብልዕዎ። ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ተዛረቦም። ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዐሉ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ከምኡ ገበሩ። ድማ ብምውት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲጋ ኼብዕሉ ዘይከአሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ። ቕቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምውት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ጊዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ፡ በልዎ። ሙሴ ኸአ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኸሰምዕሲ ደው ኢልኩም ጽንሑ በሎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምውት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋሲጋ የብዕል። ንሱ ኣብታ ኻልእይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኽመሲ ኸሎ የብዕሊ፡ ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጎ፡ ዓጽሙ ኸአ ኣይስበሩ። ከም ኩሉ ሕጊ ፋሲጋ ይግበርዎ። ዝኾነ ሰብ፡ ንጹህ ክነሱ፡ ኣብ መገዲውን ዘይኮነ፡ ፋስጋ ዘየብዐለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዚኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቆስ። እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር። ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋሲጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋሲጋ ሕግና ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። በታ እቲ ማሕደር እተተኸለላ መዓልቲ ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር ደበና ኣጎልበቦ፡ ካብ ምሸት ክሳብ ብጊሓት ድማ ከም ትርኢት ሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ። ወርትግ ከምኡ ነበረ፡ ደበና ኣጎልበቦ ብለይቲ እቲ ድንኳን ምስ ተላዕለ፡ ድሕርቲ ደቂ እስራኤል ይጉዐዙ፡ እቲ ደበና ኣብ ዝቖመሉ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ። ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጉዐዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቖመሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ። ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጉዐዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቖመሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ። እቲ ደበአና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ጸንሔ፡ ደቂ እስራኤል እቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልው ነበሩ እሞ ኣይተጓዕዙን። እቲ ደበና ቕሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ነበረ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰፊሮም ቀነዩ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ተጓዕዙ። እቲ ደበና ኻብ ንሸት ክሳዕ ብጊሓት እንተ ነበረ ኸአ፡ እቲ ደበና ንግሆ ምስ ተላዕለ፡ ይጉዐዙ ነበሩ። ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ለይትን እንተ ጸንሔ፡ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ፡ ሽዑ ተጓዕዙ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ ማሕደር ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሐደ ወርሒ፡ ወይ ነዊሕ ጊዜ እንተ ደንጎየ፡ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይጸንሑ እምበር፡ ኣይጎዐዙን ነበሩ። ምስ ዚለዐል ግና፡ ይጉዐዙ ነበሩ። ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ይጉዐዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልው ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከአ ንምጉዓዝን ይኹንካ። ብእኡ ምስ ዚነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ። ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸአ፡ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተአከቡ። መለኸት እንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ። ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸአ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለው ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ። እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከአ፡ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ። እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከአ ትድሕኑ። ብመዓልቲ ሓጎስኩም ብበዓላትኩምን ብመጀምርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹም ከአ መዘከርታ ኪኾነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኮነ ድማ ካብ ካልኣይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ። ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጉዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸአ ኣብ በረኻ ጳራን ቆመ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነአሶም ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከአ ናትናኤል ወዲ ጹዓር ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ። ነቲ ማሕደር ከአ ኣወረድዎ፡ ደቂ ጌርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከአ። ከከም ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቶም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስማኦን ከአ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ። ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጸይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዚአትው ኸአ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቖምዎ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸአ ኤሊሻማዕ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከአ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከአ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኩሉ ሰፈር ኮይኑ ተጓዕዘ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከአ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ። ጉዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ። ሙሴ ኸአ ንሓቦብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጎዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኣኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደአ እኸይድ በሎ። ንሱ ኸአ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኩነና። ይኸውን ድማ፡ ምሳና ኣንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና በለ። ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከአ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ስለስተ መዓልቲ ቐደሞም። ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ኮነ ኸአ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ ዋ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ ጸላእታ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸላኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ። ምስ ዚሰፍር ከአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኣኤል ተመለስ ይብል ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጉረምረምቲ ኾነ፡ እዚ ኸአ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኩራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸአ በልዖም። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ። ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት። ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሓዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸአ፡ እንበልዖ ስጋመን ይህበና፡ እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝብላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጉርን ቓንጫን ቀይሕ ሽጉርትን ጻዕዳ ሽጉርትን ዘከርና። ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት። እቲ ማና ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ። እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይአርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጉድእዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ዘይቲ እተገብረ ቕጫ ይጥዕም ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዝወድእ፡ ማና ኸአ ኣብ ልዕሊኡ ወርድ ነበረ። ሙሴ ድማ ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔ። ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኮይኑ ተራእየ። ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፡ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፡ መጉዚት ንዚጡቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቑፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ኹሉ ህዝቢ ኹሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፡ እናበኸዮ፡ እንበልዖ ስጋ ሀበና፡ ይብሉኒ ኣለው። ነዚ ኹሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ከባይ ክረኽቦ እየ፡ እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ ክጸሮ ኣይክእልን እየ። ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኮንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾነ ንስኻ እትፈልጦም፡ ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም። ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊ ኦም ከኣ ከንበር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጾሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኺጾሩ እዮም። ነቲ ህዝቢ ድማ በሎ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፡ ኣብ ግብጺ ጽቡቅ ነበርና እናበልኩም፡ ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም እዩ ኣሞ ኽትበልዑ ኢኹም። ሓደ መዓልቲ ኣይኮነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ። ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር። እዚ ኸአ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕኩምን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻኣና፡ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ። ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸአ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኺህቦም እየ፡ ትብል ኣሎኻ። ንኣታቶም ዚኣክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድ እዩ፡ ወይ ንኣታቶም ኪልእክስ ኹሉ ዓኣ ባሕርዶ ኺእከብ ኮይኑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያ፡ ሕጂ እቲ ቓላአይ ዚኾነልካ እንተ ኾይኑ ወይ ዘይኮነልካ፡ ክትርኢ ኢካ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም። እግዚኣብሄር ከአ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኮነ ኸአ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን። ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓዳ ኤልዳድ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከአ ሚዳድ ዚብሀሉ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈ፡ ኣብ ሰፈር ከአ ተነበዩ። ሽዑ ሐደ ጎበዝ ጎየዩ፡ ኢልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኣለዉ ኢሉ ንሙሴ ነገሮ። እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቱኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ ፡ ከልክሎም፡ ኢሉ መለሰ። ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፡ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር፡ ኩሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከአ ነብያት እንተ ዝኾኑ መን ምሀበ በሎ። ሙሴ ድማ፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ። ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ፡ ካብ ባሕሪ ኸአ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረደ፡ ምብራኽ ኸአ ኣብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመላኣን ለይቲ ብመላኣን፡ ንጽብሒቱን መዓልቲ ብመልኣ ብርጊጎታት ኣከበ። እቲ ዝውሓደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ኹሉ ሰፈር ከአ ሰጥሕወን። እቲ ስጋ ገና ኣብ ኩርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸአ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም። ነቶም ታፍላ ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ቐቢሮምዎም እዮም እሞ፡ እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮትሃታኣባ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮትሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከአ ሰፈሩ። ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፡ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፡ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ። እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ። ብኡብኡ ኣግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከአ ወጹ። በሎም ድማ ዘረባይ ደአ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዩ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራኣይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ። ባርያይ ሙሴስ ከማኡ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን ኣዩ። ብግልጺ እምበር፡ ብኸውሊ ዘረባ ኣይኮነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈረህኩም። ኩራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ። እቲ ደበና ኸአ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸአ፡ ሚርያም ለምጻም ኮነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ። እንሆ ኸአ ለምጻም ኮይና ነበረት። ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነተና ዝገብርናዮን ዝበደልናዮን፡ ብጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና። በጃኻ፡ ብምውቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ በሎ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ ኣሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሔ። እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከአ ትእቶ በሎ። ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸአ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን። ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኣኤል ዝህቦም ምድሪ ኸናኣን ዚስልዩ ሰባት ስደድ፡ ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓደ ሰብ፡ ኩሎም ካብቶም ሹማምቶም ይስደዱ። ሙሴ ድማ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም። እዞም ሰባት እዚኦም ኩሎም ሓላቑ ደቂ እስራኤል ነበሩ። ስሞም ከአ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ኣሙዓ ወዚ ዛኩር፡ ካብ ነገድ ስምኦን ሻፋጥ ወዲ ሖሪ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ኤፍሬም ሆሽዓ ወዲ ኔዌ፡ ካብ ነገድ ብንያም ጳልጢ ወዲ ራፋ፡ ነገድ ዮሴፍ፡ ማለት ካብ ነገድ ምናሴ፡ ጋድ ወዲ ሱሲ፡ ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡ ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ስቱር ወዲ ሚካኤል፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓውኤል ወዲ ማኪ። ስም እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ንሆሼዐ ወዲ ነዌ፡ እያሱ ኣውጽኣሉ። ሙሴ፡ ምድሪ ኸነኣን ኪስልዩ ሰደዶም። በሎም ከአ፡ ካብዚ ንደቡብ ኬድኩም ናብ ኣኽራን ደይቡ፡ እታ ሃገር ድማ ንሳ ኸምይ ከም ዝኾነት፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፡ እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፡ ንሳ ጽብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ከአ ከመይ ምዃነን፡ ሰፈር እንተ ኾይነን ወይ ዕርድታት፡ እታ ምድሪውን ከመይ ምዃና፡ ንሳ ረጓድ እንተ ኾይና ወይ ረቃቕ፡ ኣእዋም እንተለዋ ወይ እንተ ዜብላ፡ ርአዩ። ትብዑ ኸአ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ። እተን መዓልትታት እቲኤን ከአ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዚበስለለን ግዚያት ነበራ። ንሳቶም ከአ ደይቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን ካዕ እታ ኣብ መኣተዊ ሓማት ዘላ ሪሓብ ሰለይዋ። ናብ ደቡብ ከአ ደየቡ፡ ናብ ኬብሮንውን ኣተው፡ ኣብኣ ድማ ኣሒማን፡ ሼሳይን ታልማይን ደቂ ዓናቅ ነበሩ። ኬብሮን ከአ ሾብዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብጺ ዘላ ጾዓን ተሰርሔት። ናብ ርባ ኤሽኮል ከአ መጹ፡ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቖሪጾም፡ ክልተ ኾይኖም ብመሰላጾርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስን ከአ ተማልኡ። እታ ቦታ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዝቖጸረዎ ኣስካል፡ ለሰ ኤሽኮል ተባህለት። ኣብ መወዳኣታ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ። ከይዶም ከአ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ናኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምስሪውን ኣርኣይዎም። ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተውሉ፡ ናብታ ዝሰድድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸአ እዚ እዩ። ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ ኣተን ከተማታት ከአ እተዐርዳን እዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና። ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቕ ይነብር ኣሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከአ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ ኣለው፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ ኣለው። ካሌብ ከአ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጽቢቕና ንኽእላ ኢና ኣሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ። ኣቶም ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ንሱ ኻባና ዚሕይል እዩ እሞ፡ ናብታ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና በሉ። ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸአ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ንሳ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝርኤናዮም ኩሎም ህዝቢ ኸአ ነዋሕቲ ሰባት እዮም። ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ኾንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከአ ከምኡ ነበርና። ብዘለው እቶ ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸአ በታ ለይቲ እቲኣ ኺበኪ ሓደረ። ኩሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጉረምረሙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ በሎም፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና መን ምሀበና። ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ክማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፡ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፡ ንሓድሕዶም ከአ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም ኣሞ ናብ ግብጺ ንመለስ ተባሃሃሉ። ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሓበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተፈፍኡ። ኣያሱ ወዲ ኔዌን ካሌብ ወዲ የፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ ኣታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣቤር እንተ ዘትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ናብታ ምድሪ እቲኣኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም ኣሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣትፍርህዎም። ኣቲ ዜጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ ኣግዚኣብሄር ከአ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መአዝከ እዮም በቲ ኹሉ ኣብ ማእከሎም ዘገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፡ ብፌራ ኽወቖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእክለኦም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም፡ ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኤኻ፡ ደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸአ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም አለው። ሕጂ ኸአ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከአለን፡ ኣብ በረኻ ሓረዶም፡ ኢሎም ኪዛረቡ ኣዮም። ሕጂ ኸአ እልምነካ ኣሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ፡ እግዚኣብሄር ንኹራ ደንጓይ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሓድጎን። ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸአ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓቡ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ። ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸአ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ፡ ኩሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፡ ድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ፡ ቃለይ ከአ ኣይሰምዑን፡ ነታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከቶ ኣይርእይዋን፡ ካባቶም ዝነዐቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን። ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰምዐኒ፡ ናብታ አትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ። ኣብ ለሰ ድማ ኣማሊቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ ኣለው እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ በመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጎዐዙ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም። ነዚ ዜጉረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መአዝ ክጾሮ እየ፡ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜጉረምሩሙለይ ምጉርምራም ሰሜዔ ኣለኹ። በሎም ከአ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩዎም፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኩላትኩም እተቖጸርኩም ከምቲ ኹሉ ቖጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ። ናብታ ኣብኣ ኸናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩምላ ምድሪ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይታትውን። ነቶም ምርኮ ኪኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከአትዎም እየ፡ ነታ ዝነዐቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኼወድቕ እዩ። ደቅኹም ከአ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኪኾኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከአ ምንዝርናኹም ኪጾሩ እዮም። ከም ቁጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልትታት ኣርብዓ መኦኣልቲ፡ ሓንቲ ዓመት ኣብ ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሓቕኩ ኸአ፡ ኽትፈልጡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ኹሉ ኣባይ ብሓደ እተሓባበረልይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኸገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኽወድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም። እቶም ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ዘጉረምረሙሉ፡ እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ። ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸአ ብብዙሕ ሓዘነ። ንብጊሓት ድማ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ በዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንደይብ ኣሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ። ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ፡ ኣይቐንዓኩምን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኮነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዐቱ፡ ኣይትደትቡ። ኣብኡ ኣማሊቃውያንን ከነኣናውያንን ኣብ ቅድሜኹም ኣለው እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ከአ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ። ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይብ ደፊሩ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን። እቶም ኣብታ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎ፡ ክሳዕ ሖርማ ኸአ ቀጥቀጥዎም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛርቦም በሎም ከአ፡ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ እግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ዚሓርር መስዋኣቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፡ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ ወይ ናይ በዓላትኩም ብኣሓ ወይ ብጤለበጊዕ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኽትገብሩ እንተ ትስውኡ፡ ሽዑ ኣቲ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ ንመስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኣኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብብርዒ ሂን ዘይቲ እተቖምጥዔ የቕርብ። ንመስዋእቲ መስተ ኸአ ምስቲ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ወይኒ ግበር። ወይ ንድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፍ ድኹም ሓርጭ፡ ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ግበር። ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ወይኒ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣቕርብ። ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝራብዕ እንተ እቕረብካ፡ ሽዑ ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ብልዒ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብፈረቓ ሂን ዘይቲ ኣተቖምጥዔ፡ ኣቕርብ። ንመስዋእቲ መስተ ድማ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዛብሄር ንጥዑም ጬና ፈረቓ ሂ ወይን ኣቕርብ። ከማኡ ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንወጠጦ ይገብር። ከም ቁጽሪ እቶም እተስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም ከም ቁጽሮም ግበሩ። ወዲ ዓዲ ዘበለ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣኣብሄር ንጥዑም ጨና ምስ ዜቕርብ፡ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ይግበሮ። ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእከልኩም ዚነብር፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ምስ ዚቐርብ፡ ንሱ ኸምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ፡ ከምኡ ይግበር። ኣብታ ማሕበር ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓና ኸማኻትኩም ይኹን። ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከአ፡ ናብታ ኣነ ዚእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ፡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ካብ ቀዳማይ ብሒቕኩም ዚልዐል መስዋእቲ ሓደ ቅጫ ኣቕርቡ፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚልዐል መስዋእቲ እትገብርዎ፡ ከምኡ ኣልዕልዎ። ካብቲ ቐዳማይ ብሑቕኩም ንዉሉድ ወለዶኹም ዚልዐል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሀቡ። እንተ ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ኹሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኩሉ፡ ካባታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝህበላ መዓልቲ ንንየው ከአ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡ እንተ ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ኹሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኩሉ፡ ካባታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝህበላ መዓልቲ ንንየው ከአ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡ እዚ ድማ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ፡ ብጌጋ ኣንተ ተገብረ፡ ሽዑ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንዚሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ስርዓቱ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ የቕርብ። ንሱ ብጌጋ እተገብረ እዩ፡ ንሳቶም ከአ መስዋእቶም መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣምጻኡ፡ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ ናብ ሓጢኣት መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም እዮም እሞ፡ እቲ ኻህን ከአ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል የተዐርቕ፡ ሽዑ ይሕደገሎም እዩ። ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብዘይ ፍልጠት እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይሕደገሎም እዩ። ሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ። ነቶ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከአ ንምትዕራቑ ኣቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ። ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዚግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። ወዲ ዓዱ ኾነ ወይ ጓና፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቆስ። ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸአ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቆስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ። ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኸለው፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕጨይቲ ኺኣሪ ረኸቡ። እቶም ዕጨይቲ ኺአሪ ዝረኸብዎ ኸአ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባን ኣቕረብዎ። እቲ ኽገብርዎ ዚግባእ ኣይተገልጸን ነበረ እሞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ፡ በሎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ናብ ወጻኣኢ ሰፈር ኣውጽኦ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸአ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከአ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም። ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘለኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንኹሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ኽትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም። ንኹሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ኽትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከአ ቅዱሳን ክትኮኑ ኣዩ። ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብብሄር ኣምላክኽኩም እየ። ቆራሕ ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቃሃት ወዲ ሌዊ፡ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ፡ ኦን ከአ ወዲ ጴሌት፡ ደቂ ሮቤል፡ ሓያሎ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሹማምቲ እቲ ኣኼባ፡ ብማሕበር እተጸውዑ ስሙያት ሰባት ሒዞም ንሙሴ ተላዕልዎ። ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተአኪቦም ድማ፡ ብዘለው ኣኼባ ኹሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም ኣዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ ኣሎኹም በልዎም። ሙሴ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ብገጹ ተደፍኤ። ንቆራሕን ነቶም ኣኼባኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን ኣቲ ቕዱስን እቲ ናብኡ ዜቕርቦን መን ከም ዝኾነ፡ ኬፍልጥ እዩ። ከምዚ ግበሩ፡ ቆራሕን ብዘሎ ኣኼባኡን ጸጽንሃህኩም ውሰዱ፡ ጽባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከአ ኣእትውሉ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚሐርዮ ሰብኣይ፡ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ። ሙሴ ኸአ ንቆራሕ በሎ፡ ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ ሕጂ ስምዑ። ኣብ ማሕደር እግዚኣብሄር ከተገልግሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከአ ከተገልግልዎ፡ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኬቕርበኩም ኢሉ፡ ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩምዶ ውሑድኩም እዩ። ንኣኻን ንኹሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊ ድማ ምሳኻን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ድሊኹም፡ ስለዚ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም እተአከብኩም። ኣሮንከ፡ ኣብ ልዕሊኡ እተጉረምርሙ፡ ንሱ እንታይ እዩ። ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ፡ ኪጽውዑሉ ለአኸ። ንሳቶም ከአ፡ ኣይንድይብን፡ በሉ። ኣብ በረኻ ክትቀትለና ኢልካ፡ ካብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውጻእካናዶ ውሒዱ እዩ፡ ኣብ ልዕሌና ኽትሽየምዶ ንርእስኻ ትሸይም።፡ ብዝተረፈስ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣይእቶኻናን ግርቡን ኣታኽልቲ ወይንን ከአ ኣየረስቴኻናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኽተንቁር ደሊኻ ኢኻ፡ ኣይንድይብን። ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተናዲዱ ንእግዚኣብሂር፡ ናብ መስዋእቶም ኣይተጠምት፡ ካባታቶም ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ካባታቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፡ በሎ። ሙሴ ድማ ንቆራሕ፡ ጽባሕ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተረኸቡ። ነፍሲ ወከፍ ከአ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይገብረሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ጽንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፡ ንስኻን ኣሮንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ይውሰድ በሎ። ነፍሲ ወከፍ ከአ ጽንሃሁ ወሰደ፡ ሃዊ ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸአ ዕጣን ኣእተውሉ፡ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከአ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ። ቆራሕ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ተራእየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ካብ ማእከል ኣዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽውድኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ንሳቶም፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ነፍሳት ኩሉ ስጋ፡ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፡ ንብዘሎ ኣኼባዶ ኽትቑጥዖ ኢኻ፡ ኢሎም ብገጾም ተደፍኡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነቲ ኣኼባ ኻብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ፡ ኢልካ ተዛረቦም። ሙሴ ድማ ተንሲኡ ናብ ዳታን ኣቢራምን ከደ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከአ ሰዐብዎ። ነቲ ኣኼባ ኸኣ፡ በጃኹም፡ ካብ ድንኳውንቲ እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ኣግልሱ፡ ብኹሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸአ ናቶም ዘበለ ኣይትተንከዮ፡ ኢሉ ተዛርቦም። ንሳቶምውን ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ። ዳታንን ኣቢራምን ግና ወጺኣኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ድንኳውንቶም ደው በሉ። ሙሴ ኸአ፡ ካብ ፍቓደይ ዘይኮነ፡ ነዚ ኹሉ ግብሪ እዚ ኽገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለአኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣምውታ ኹሉ ሰብ እንተ ሞቱ፡ ወይ ንኹሉ ሰብ ዚበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣይለአኸንን። እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ኩሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኣንተ ወሓጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ። ኮነ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደት፡ ምድሪ ኸአ ኣፋ ኸፈተት፡ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ንኹሎም ናይ ቆራሕ ሰብን ንኹሉ ገንዘቦምን ወሐጠቶም። ንሳቶም ምስ ኩሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፡ ምድሪ ኸአ ደፈነቶም፡ ካብ ማእከል ማሕበር ድማ ጠፍኡ። እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ብዘለው እስራኤል ከአ ጭራሕምራሖም ሰሚዖም፡ ናኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና፡ ኢሎም ሀደሙ። ካብ እግዚኣብሄር ከአ ሓዊ ወጸ፡ ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ ጽንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንዳድ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሓዊ ኸአ ናብዝን ናብትን ፋሕ ኣብሎ በሎ። ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐደሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን። ኣልኣዛር ካህን ከአ ነቲ እቶም ዝነደዱ ጽንሃሃት ኣስራዚ ወሰዶ፡ ንመለበጢ መሰውኢ ኪኸውን ከአ ኣርቀቕዎ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ኪዐጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይቐርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ኣኼባኡን ከይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኣኤል መዘከርታ ይኹን። ንጽቢሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኣኤል፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ፡ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጉረምረሙ። ኮነ ኸአ፡ እቲ ኣኼባ ናብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ምስ ተአከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣቢሎም ግልጽ በሉ፡ እንሆ ድማ ደበና ኣጎልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከአ ተራእየ። ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መጹ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም ኣየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም ኣየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ። ሙሴ ኸአ ንኣሮን፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ወጺኡ፡ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፡ ጽንሃካ ወሲድካ፡ ካብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከአ ኣእተወሉ፡ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ኣኼባ ኺድ እሞ ኣተዐርቆም፡ በሎ። ኣሮን ከአ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፡ ጽንሃህ ወሰደ፡ ናብ ማእከል ማሕበር ድማ ጎየየ። እንሆ ኸአ፡ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፡ ዕጥን ገይሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣተዐረቖ። ኣብ መንጎ ምውታንን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መዓት ከአ ዝግበለ። ብጀካ እቶም ብሰሪ ቆራሕ ዝሞቱ፡ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮኑ። ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተመልሰ፡ ኣቲ መዓት ከአ ዝግ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኩሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ጽሑፍ። ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሕናቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሑፍ። ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከአ ኣንብረን። ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሓሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ዜጉረምርሙልኩም ምጉርምራም ከአ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦ፡ ኩሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደ፡ ዓሰርተው ክልተ በትሪ ሀብዎ። በትሪ ኣሮን ከአ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት። ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አንበረን። ኮነ ድማ፡ ሙሴ ንጽቡሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር አተወ፡ እንሆ ኸአ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሔት፡ ቁጽሊ ኸአ ኣውጽኤት፡ ዕምበባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት። ሙሴ ኸአ ንኹለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤን፡ ርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጉርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኮኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ። ሙሴ ኸአ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸምኡ ገብረ። ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ተፋእና ኩልና ጠፋኣና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኩልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ንስኻን ደቅኻን ቤት ኣቦኻ ድማ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት መቕደስ ጹሩ። ንስኻን ደቅኻ ኸአ ምሳኽን ነቲ ኽፍኣት ክህነትኩም ጹሩ። ኣሕዋትካ ነገድ ሌዊ ነገድ ኣቦኻ ድማ፡ ምሳኻ ኾይኖም ምእንቲ ኼገልግሉኻ፡ ምሳኻ ኣቕርቦም፡ ንስኻ ግና፡ ደቅኻ ኸአ ምሳኻ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር ኩኑ። ንሳቶም ድማ ሓለዋኻን ሓለዋ ኹሉ ድንኳንን ይሐልው፡ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ናብ ኣቓሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ጥራይ ኣቕረቡ። ኣብ ኩሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ኸይኖም ኣብ ሓለዋ ድንኳን ምርኻብ ይሓልው፡ ጓና ግና ኣይቕረብኩም። ድማ መሊሱ ኹራ ናብ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኸይመጽእሲ፡ ንስኻትኩም ሓለዋ መሰውእን ሓልው። እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰድክዎም፡ ንኣኻትኩም እተዋህቡ ህያብ እዮም፡ ንሳቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንእግዚኣብሄር ተወፈዩ። ንስኻን ደቅኻ ኸአ ምሳኻን ብናይ መሰውኢ ነገርን ውሽጢ መጋረጃ ዘበለን ክህነትኩም ሓልውን ኣገልግሉን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ህያብ ሂብኩም እየ። ጓና እንተ ቐረበ ግና፡ ይሙት። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ ኣነ ሓለዋ እቲ ዚልዐል መስዋእተይ፡ እቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ኹሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ ኣሎኹ፡ ንኣኻ ብምቅባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ ኣሎኹ። ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኩሉ መባኦም፡ ኩሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኩሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኩሉ ናይ በደል መስዋኣቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኳንካ ብልዓዮ፡ ኩሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ። እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዚልዐል መስዋኣትን እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜቕርብዎ ዚውዝውዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ኣዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ። ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ኹሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ኹሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በኹራት ንኣኻ ሂበካ ኣሎኹ። ኣብ ምድሮም ዘሎ ኹሉ በኹሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ። ኣብ እስራኤል እተሐርመ ኹሉ ንኣኻ ይኹን። ካብ ኩሉ ስጋ፡ ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ፡ ሰብ ኮነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበኹሪ ሰብ ግና በጃ ሀበሉ፡ ንበኹሪ ርኹስ እንስሳ ኸአ በጃ ሀበሉ። ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝኾነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል፡ ንሱ ኸአ ዕስራ ጌራ፡ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም። በኹሪ ላምን በኹሪ በጊዕን ጤልን ግና፡ ቅዱሳን እዮም ኣሞ፡ ኣይትበጀዎም፡ ደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎ፡ ስብሖም ከአ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጬና፡ ንመስዋኣቲ ሓዊ ኣሕርሮ። ስጋኦም ከአ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝውዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን። ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ ኹሉ ዚልዐል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለአለም ሀይረ ሂበካ አሎኻ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማኣከሎም ከአ ግደ ኣይሀሉኻ፡ ኣአብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ። ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ ኣቲ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ ኹሉ ዕሽር እስራኣኤል ንርስቲ ሂበዮም አሎኹ። ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኣኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉ፡ እቲ በደሎም ከአ ንሳቶም ይጹርዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስቱ። እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ንሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎም፡ በልክዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከአ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝህበኩኹም ጎሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ ካባኡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ፡ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ። እዚ ዚልዐል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲ፡ ከም ወሓዚ ኻብ መጽሙቕ ይቑጸረልኩም። ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ኹሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄል ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ ንኻህን ኣሮን ሀቡ። ካብቲ እተዋህበኩም ኩሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኩሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቱ ኣቕርቡ። በሎም ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽሙቕን ይቑጸረሎም። ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕደሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ብልዕዎ። ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዐልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጸሩን፡ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዝቐደስዎ ኸአ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከአ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ኣግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዜብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኣኤል ንገሮም። እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ። ካህን ኣልኣኣር ከአ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። ነታ ላም ከአ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቆርበታን ስጋአን ድማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ። እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማኣከል እቲ እታ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዩ። እቲ ኻህን ከአ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከአ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ነቲ ሓሙኹስቲ እታ ኣርሒ ኸአ ንጹህ ዝኾነ ሰብ ይአክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውይ ይተሓሎ። እቲ ሓመኹስቲ እታ ርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኣኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ዝኾነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ ምዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ። ናይ ዝሞተ ሰብ ምውት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕበር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ትመንቆስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ። ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍስ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ኩሉ ኽፋት፡ ኣብ ልዕሊኡ እተአሰረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን። ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓሙኹሽቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይይ ይኽዐወሉ። ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ኬንጽሆ ኣዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከአ ይተሓጸብ፡ ምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ። ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸአ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ ኣሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኣብ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቆስ። ማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ። እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ርኹስ ዝተነከየ ዘበለ ኸአ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽሰት ትኹን። ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን አተው፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ።። ሚርያም ከአ ኣብኡ ሞተት ኣብኡውን ተቐብረት። እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተአከቡ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለው እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡ ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎም፡ ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኮነትን፡ ዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቖዎ። ሙሴን ኣሮንን ከአ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡል። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም። እግዚኣብሄር ድማ ሙሴን ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከአ ነቲ ኣኼባ ኣከብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረቦም፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ። ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅደሚ እግዚኣብሄር ውሰዳ፡ ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፡ በሎም። ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከአ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብአይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚኣ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም። እዚ ማይ በሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቛሉ፡ ንሱ ኸአ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ። ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ኹሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸምይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸአ ነዊሕ ዘበለ ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሓሰሙና። ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸአ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና። በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፡ ማይ ዔላ ኸአ ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሓልፍን በሎ። ደቂ እስራኤል ከአ፡ ብጎደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ ንእግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ። ኣኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቀባበሎ ወጸ። በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ። በዚኸምዚ ኣኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ። ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከአ ናብ ከረን ሆር ወጸ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ማይመሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝኣቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ። ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ከደኖ። ኣሮን ከአ ናብ ህዝቡ ይተአከብ፡ ኣብኡውን ይሙት። ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ። ሙሴ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረኣዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ። ሙሴ ድማ፡ ኣሮን ከአ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ። ኩሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለው ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። እቲ ኣብ ደቡብ ዚነብር ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኢታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ምስ እስራኤል ተዋግኤ፡ ካባታቶም ከአ ገለ ምርኮ ማረኸ። ሽዑ እስራኤል፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካንስ፡ ከተማታቶም ክሐርመን እየ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ ተመባጽዔ። እግዚኣብሄር ድማ ቃል እስራኤል ሰምዔ፡ ንከነኣናውያን ከአ ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ንኣታቶምን ንኸተማታቶምን ድማ ሓረምዎም፡ ስም እታ ቦታ ኸአ ሖርማ ተባህለት። ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኣኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸአ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጸበበት እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን ነዚ ፈኩሽ እንጌራ ኸአ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከአ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኽስዎ፡ ካብ እስራኤል ከአ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። እግዚኣብሄር ከአ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኽስዎ፡ ካብ እስራኤል ከአ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማት ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከአ ሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባለውን ሰቐሎ። ኮነ ኸአ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዝጥምት ይሓዊ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኣቦት ከአ ሰፈሩ። ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኣቦት ከአ ሰፈሩ። ካብ ኣቦት ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ መንጽር ሞአብ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዘሎ በረኻ ኣብ ዒየባሪም ሰፈሩ። ካብኡ ተጓዒዞም ከአ፡ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ። ካብኡ ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚወጽእ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከአ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞአብ እዩ። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ተባሂሉ እዩ፡ ዋሄብ ኣብ ሱፉ ለሴታት ኣርኖን ከአ፡ ናብቲ ዓር እትነብረሉ ዜብል፡ ቁልቁለት ለሴታት ድማ፡ ናብ ዶብ ሞኣብውን ዚጽጋዕ። ካባኡ ድማ ናብ ቤዓር ተጓዕዙ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ ነቲ ህዝቢ ኣክቦ ኣነውን ክህቦም ኣየ፡ ዝበሎ ዔላ ንሱ እዩ። ሽዑ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፡ ኣታ ዔላ፡ ፈልፍል፡ ንእኡ ዘምሩሉ፡ እቲ ሹማምቲ ዝኾዐትዎ፡ ኣውራታት ህዝቢ ብዘንጊ መንግስቲ፡ በባትሮም ዘጎድጎድዎ ዔላ። ካብ በረኻ ድማ ናብ ማታና፡ ካብ ማታና ኸአ ናብ ናሓላኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ድማ ናብ ባሞት፡ ካብ ባሞት ከአ ናብቲ ኣብ መሮር ሞኣብ ዘሎ ለሰ፡ ናብቲ ናብ በረኻ ዚርኢ ርእሲ ጲስጋ ተጓዕዙ። እስራኤል ድማ ናብ ሲሆር ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነልግስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ። እስራኤል ድማ ናብ ሲሆር ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነልግስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጎደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ። ሲሆን ከአ እስራኤል ብዶቡ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ ሲሆን ኩሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤል ኪቃባበሎም ናብ በረኻ ወጻ፡ ናብ ያሃጽ መጺኡ ኸአ ምስ እስራኤል ተዋግኤ። እስራኤል ግና ብስሕለት ሴፍ ወቕዖ፡ ምድሩ ኸአ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረደ። ዶብ ደቂ ኣሞን ግና ጽኑዕ ነበረ። እስራኤል ድማ ንኹለን እተን ከተማታት እቲኤን ሐዘን፡ እስራኤል ከአ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ሔስቦንን ኣብ ኩለን ዓድታትን ተቐመጠ። ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነበረት እሞ፡ ንሱ ምስቲ ቕድም ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ንብዘላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲድዋ ነበረ። ስለዚ እቶም መሰልቲ ይብሉ፡ ናብ ሔስቦን ንዑ። ከተማ ሲሆን ትነደቕን ትተዐረድን። ካብ ሔስቦን ሓዊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ፡ ንሱ ንዓር ናይ ሞኣብን ነቶም ጎይተት በረኽቲ ኣርኖንን በልዔ። ሞኣብ ወይለኻ። ኣታ ህዝቢ ከሞሽ ጠፋኣካ። ኣወዳቱ ንምህዳም፡ ኣዋልዱ ኸኣ ንምርኮ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ሀቦ። ንሕና ወርወርናሎም፡ ሔስቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኤት። ክሳዕ ኖፋሕ፡ ክሳዕ ሜድባ ዚበጽሕ ኣዐኖና። በዚ ኸምዚ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያንን ተቐመጠ። ሙሴ ድማ ናብ ያዕዘር ዚስልዩ ሰደደ፡ ዓድታተውን ሐዙ። ኣብኡ ንዝነብሩ ኣሞራውያን ከአ ኣውጽእዎም። ተመሊሶም ድማ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ኦግ ንጉስ ባሳን ከአ፡ ንሱን ኩሉ ህዝቡን ናብ ኤድረይ ኪዋጋእን ኪቃባበሎምን ወጸ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንእኡን ንኹሉ ህዝቡን ምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገብርካዮ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ በሎ። ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንኹሉ ህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፎ፡ ወቕዕዎ። ምድሩ ድማ ወረሱ። ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጎልጎል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ። ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ኹሉ ረአየ። ሞአብ ከአ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሄ። ሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ። ሞኣብ ከአ ንዓበይቲ ሚድያን፡ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዚበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ኹሉ ኸምኡ ኺበልዖ እዩ፡ በሎም። በቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ ነበረ። ንሱ ኸአ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጠር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደድሉ፡ እንሆ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ንሱ ኸአ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ ኣልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ ዝረገምካዮ ኸአ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቖኦን ካብ ሃገር ከአ ከውጽኦን እኽእል እየ። ዓበይቲ ሞአብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቁልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም ተቐመጡ። ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለው ሰባት እንታዎት እዮም በለ። ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለው ሰባት እንታዎት እዮም በለ። በላዓም ከአ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወጺ ጺጶር፡ ንጉስ ሞአብ፡ እንሆ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለአኸለይ። በላዓም ከአ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወጺ ጺጶር፡ ንጉስ ሞአብ፡ እንሆ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለአኸለይ። ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድ፡ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞ፡ በሎ። በላዓም ከአ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱ በሎም። ሹማምቲ ሞኣኣብ ድማ ተንሲኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከአ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ፡ በልዎ። ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኸብሩን ሹማምቲ ሰደደ። ናብ በላዓም መጺኦም ከአ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገት። ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ኹሉ ኸአ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ። በላዓም ድማ ንገላው ባላቅ መለሰሎም በሎም ከአ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒ፡ ብንእሽቶ ኾነ ወይ ብዓብዩ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ። ሕጂ ኸአ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኺፈልጥሲ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ። ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ኾይኖም፡ ተንሲካ ምሳታቶም ኪድ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደአ ግበር፡ በሎ። በላዓም ከአ ብጊሓት ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኹራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላውኡ ኸአ ምስኡ ኪኸዱ ኸለው፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኪኽልክሎ ኣብ መገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዊ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸአ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደት። በላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኽመልሳ ወቕዓ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ኹዕትቲ መገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸአ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸአ መመሊሱ ወቕዓ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሓሊፉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ። እታ ኣድጊ ኸአ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኮርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድጊ ኸአ ብበትሪ ወቕዓ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ስለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ፡ በለቶ። በላዓም ከአ ነታ ኣድጊ፡ ስለ ዘላገጽክለይ፡ ሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺ በላ። እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኮንኩን፡ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩን፡ በለቶ። ንሱ ኸአ፡ ኣይፋል፡ በለ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸአ ኣብ ኢዱ ረአየ። ፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፡ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኮነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ መጻእኩ። እታ ኣድጊ ኸአ ርእያትኒ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ እግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወት ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ በሎ። በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸአ ዘጉህየካ እንተ ኾይኑስ እምለስ በሎ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደአ ተዛረብ በሎ። በላዓም ከአ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ። ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ድብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ። ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፡ ስለምንታይ ደአ ናባይ ዘይመጻእካ፡ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ በሎ። በላዓም ከአ ንባላቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ ኣሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብ በሎ። በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፡ ናብ ቂርያት ሑጾት ከአ መጹ። ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ። ኮነ ኸአ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞትብዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ። በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ በሎ። ባላቅ ከአ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ። በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዚሓርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኪራኸበኒ እንተ ወጸ፡ ክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዜርእየኒ ነገር ከአ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ። ኣምላኽ ከአ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳልኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸአ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከአ በሎ። ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸአ፡ ንሱ ምስ ኩሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ባላቅ ካብ ኣራም፡ ንጉስ ሞኣብ ካብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒ፡ መጺእካ ንያእቆብ ርገመለይ፡ ንዓ ንእስራኤል ጸይፎ። ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግም፡ እግዚኣብሄር ንዘይጸየፎ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ፡ ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደአ ኣርእዩ፡ ካብ ኩርባታት ከአ እጥምቶ ኣሎኹ። እንሆ ንበይኑ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን አይቁጸርን። ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ኪቖጽሮ ይኽእል፡ ወይ ንርብዒ እስራኣኤል መን ይጽብጽቦ፡ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት፡ መወዳእታይ ከአ ከም ናቱ ይኹን። ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸአ ፈጺምካ መረቕካዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠምቂቐ ኽዛረበዶ ኣይግበኣንን እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዃንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ ኣሎኻ እምበር፡ ንብዘለው ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዃንካ ንኣታቶም ርገመለይ፡ በሎ። ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእፊ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኸአ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ። ባላቅ ከአ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ከአ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ በለ። ናብኡ ኸአ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ኣቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው በሉ፡ ሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካ፡ በሎ። ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ባላቅ ተንስእ፡ ስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይጽን በል። ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኮነን። ከይጠዐስ ከአ፡ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገበሮንዶ፡ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፡ እንሆ፡ ክምርቕ ተአዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸአ ክመልሶ ኣይከአለንን። ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኣኤል ከአ ሕሰም ኣይረአየን። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኣዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማኣከሉ ኣሎ። ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ። ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከአ ጥንቁልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብጊዚኡ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ፡ ኪበሀል እዩ። እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዐል። ዝዘረፎ ኽሳዕ ዚበልዕ፡ ደም እቶ ቅቱላት ከአ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን። ሽዑ ባላቅ ንበላዓም፡ ምርጋም ኣይትርገሞ፡ ምምራቕ ከአ ኣይትመርቆ፡ በሎ። በላዓም ግና ንባላቅ፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ኹሉ እየ ዝገብር፡ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፡ ኢሉ መለሰሉ። ባላቅ ድማ ንበላዓም። ናብ ካልእ ቦታ ኽወስዳካ፡ ምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዃንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓ፡ በሎ። ባላቅ ከአ ንበላዓም፡ ንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ። በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሶብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከአ ኣብዚ ኣዳልወለይ፡ በሎ። ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸአ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ። በላዓም ድማ ንእስራኤል ኪምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፡ ገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ኪቃበበል ኣይከደን። በላዓም ከአ ዓይኑ ኣልዐለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረአዮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ። ምስላኡ ኣልዒሉ ኸአ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ናይቲ ኹሉ ዝኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸአ ዚኸፈተሉ፡ ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ። ከም ለሴታት፡ ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት፡ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዝለኦ ጽሕድታት ይዝርግሑ። ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብል፡ መንግስቱ ኸአ ክትልዐል እያ። ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ፡ ነቶም ዝጻረርዎ ህዝብታት ኪበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከአ ኪሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ኪውግኦም እዩ። ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ ኣሎ፡ መን የተንስኦ፡ ዚምርቐካ ምሩቕ ዚረግመካ ኸአ ርጉም ይኹን። ሽዑ ኹራ ባላቅ ኣብ በዓላም ነደደ፡ ኣእዳው ድማ ኣጣቕዔ፡ ባላቅ ከአ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸአ፡ ሕጂ ስለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም። ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፡ እግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ በሎ። በላዓም ከአ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኮነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡ በላዓም ከአ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኮነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡ ሕጂ ኸአ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣሎኹ። ንዓ እዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልታት ንህዝብኻ ዚገብሮ ኺነግረካ። ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንት ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዚስምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ኹሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዝወድቕ ኣዒንቱ ኸአ ዚኸፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡ እርእዮ ኣሎኹ ሕጂ ደአ ኣይኮነን፡ እጥምቶ ኣለኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኮነን፡ ካብ ያእቆብ ኮኾብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከአ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንኹሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም። ኣኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ስዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኪኸውን እያ፡ እስራኤል ከአ ሓይሊ ኺገብር እየ። ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸአ ኻብታ ኸተማ ኺውድኦ ኢዩ። ንኣማሊቕ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሊቕ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ ኢዩ፡ ቤትካ ኸአ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ። እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ። እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ። ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ ወይለይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይንበር፡ ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኪጨንቓ እየን። ንሱ ኸአ ኪጠፍእ እዩ። በላዓም ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦትኡ ኸአ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ። እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸአ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ። ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸአ በልዔ፡ ንኣማልኸተን ድማ ሰገደ። እስራኤል ከአ ምስ በዓልጴዖር ሐበረ። ኩራ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ኹራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንኹሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ሰቐሎም፡ በሎ። ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓልጴዖር ዝሓበሩ ሰብ ይቕተል፡ በሎም። ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓልጴዖር ዝሓበሩ ሰብ ይቕተል፡ በሎም። እንሆ ኸአ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለው፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ። ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረአዩ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስኤ፡ ኩናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ፡ ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከአ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወጋኦም። ኣቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኣኤል ዛረየ። እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸአ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኮነ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ ኣሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ ኣህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን። ስም እቲ እትቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ሚድያናዊት ሰበይቲ እተቕትለ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ፡ ንሱ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ ሹም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ነበረ። ስም እታ እተቕትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ኸአ ኩዝቢ ጓል ጹር፡ ንሱ ኣብ ሚድያን ናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ሓለቓ ህዝቢ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቕትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንምድያናውያን ኣጨኒቕዎምን ውቕዕዎምን። በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቕትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንምድያናውያን ኣጨኒቕዎምን ውቕዕዎምን። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጹሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጹሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ጎልጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ነቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ ደቂ እስራኤልን ዝአዘዞም፡ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ቖጽሮም። ሮቤል በኹሪ እስራኤል እዩ። ደቂ ሮቤል፡ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፡ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን። ካብ ሔስሮን ዓሌት ሒስሮናውያን፡ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን። ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፡ ቁጹራቶም ድማ ርብዓን ስለስተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰለሳን ኮኑ። ደቂ ፋሉ ኸአ፡ ኤልያብ። ደቂ ኤልያብ ድማ፡ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን። እቲ ምስ ኣኼባ ቆራሕኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኪትንስእዎ ኸለው፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተንስኡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ስሙያት ዝነብሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣኣቶምን እዮም። ነዚኣቶም በት ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓዊ ዝበልዓላ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ዝሞተላ፡ ንሳቶም ከአ ንምልክት ዝኾኑላ ጊዜ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ቆራሕ ወሐጠቶም። ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን። ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ ካብ ነሙኤል ዓሌት ነሙኤላውያን፡ ካብ ያሚን ዓሌት ያሚናውያን፡ ካብ ያኪን ዓሌት ያኪናውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሕውያን፡ ካብ ሳውል ዓሌት ሳውላውያን። ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፡ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን። ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ ካብ ጸፎን ዓሌት ጸፎናውያን፡ ካብ ሕጊ ዓሌት ሓጋውያን፡ ካብ ሹኒ ዓሌት ሹናውያን፡ ካብ ኦዝኒ ዓሌት ኦዝናውያን፡ ካብ ኤሪ ዓሌት ኤራውያን፡ ካብ ኣፎድ ዓሌት ኣሮዳውያን፡ ካብ ኣርኤሊ ዓሌት ኣርኤላውያን፡ ዓሌታት ደቂ ጋድ ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ይሁዳ፡ ኤርን ኦናንን፡ ኤርን ኦናንን ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ። ደቂ ይሁዳ ኸአ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሸላ ዓሌት ሸላውያን፡ ካብ ፋሬስ ዓሌት ፋሬሳውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን። ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሔጽሮን ዓሌት ሔጽሮናውያን፡ ካብ ሑመል ዓሌት ሑሙላውያን። ዓሌታት ይሁዳ ኸምቲ እተቖጽሮም እዚኣቶም እዮም፡ ሰብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ ካብ ቶላ ዓሌት ቶላውያን፡ ካብ ፋጥ ዓሌት ፋዋውያን፡ ካብ ያሹብ ዓሌት ያሹባውያን፡ ካብ ሺምሮን ዓሌት ሺምሮናውያን። ዓሌት ይሳኮር ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ስለስተ ሚእትን። ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም ካብ ሰረድ ዓሌት ሰራዳውያን፡ ካብ ኤሎን ዓሌት ኤሎናውያን፡ ካብ ያሕልኤል ዓሌት ያሕልኤላውያን። ዓሌታት ዛብሎናውያን ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም፡ ምናሴን ኤፍሬምን። ደቂ ምናሴ፡ ካብ ማኪር ዓሌት ማክራውያን። ማኪር ድማ ንጊልኣድ ወለደ፡ ካብ ጊልኣድ ዓሌት ጊልኣዳውያን። ደቂ ጊልኣድ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ኢዔዘር ዓሌት ኢዔዘራውያን፡ ካብ ሔለቅ ዓሌት ሔለቃውያን፡ ካብ ኣስሪኤል ከአ ዓሌት ኣስሪኤላውያን ካብ ሴኬም ድማ ዓሌት ሽሚዳውያን ካብ ሔፈር ድማ ዓሌት ሓፈራውያን። ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከአ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም ኣተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ። ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከአ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም ኣተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ። ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፡ ቁጽራቶም ከአ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮነ። ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹተላ ዓሌት ሹተላውያን፡ ካብ ቤከር ዓሌት ቤከራውያን፡ ካብ ታሓን ዓሌት ታሓናውያን። ደቂ ሹተላ ኸአ፡ ካብ ዔራን ዓሌት ዔውናውያን። ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም። ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ደቂ ቢንያም በብዓሌቶም ካብ ቤላዕ ዓሌት ቤላዓውያን: ኣሽቤል ዓሌት ኣሽቤላውያን፡ ካብ ኣሒራም ዓሌት ኣሒራማውያን። ካብ ሸፋፋም ዓሌት ሹፋፋማውያን፡ ካብ ሑፋም ዓሌት ሑፋማውያን። ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ነዓማንን ነበሩ። ካብ ኣርድ ዓሌት ኣርዳውያን፡ ካብ ነዓማን ዓለኢት ነዓማናውያን። ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ቁጽራቶም ከአ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹሓም ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ኩሎም ዓሌታት ሽሓማውያን ከምቲ እተቕጽርዎ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም ካብ ዮምና ዓሌት ዮምናውን፡ ካብ ዩሽዊ ዓሌት ዪሽዋውያን፡ ካብ ብሪዓ ዓሌት ብሪዓውያን። ካብ ደቂ ብሪዓ፡ ካብ ሔብር ዓሌት ሔብራውያን፡ ካብ ማልኪኤል ዓለኢት ማልኪኤላውያን። ስም ጓል ኣሴር ሳራ ነበረ። ዓሌታት ደቂ ኣሴር ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን። ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ ካብ ያሕጽኤል ዓሌት ያሕጽኤላውያን፡ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን። ካብ የጾር ዓሌት የጸራውያን፡ ካብ ሺሌም ዓሌት ሼሌማውያን። ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ቁጽራቶም ከአ ኣርባዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ። እቶም ካብ ደቂ እስራኤል እተቖጽሩ ሹዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሰን ኮኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቑጽሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል። ነቶም ብዙሓት ርስቲ ኣግፍሓሎም፡ ነቶም ሒደት ከአ ርስቲ ኣንኣሰሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከም ቁጽሩ ርስቱ ይወሀብ። እታ ምድሪ ግና ብዕጭ ውድቕ ትመቐል። ከከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይረስተዩ። እቲ ርስቶም ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከምታ ዕጭ ዝሀበቶ ይመቐል። እቶም በብዓሌቶም እተቖጽሩ ሌዋውያን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ገርሾን ዓሌት ገርሾናውያን፡ ካብ ቃሃት ዓሌት ቃሃታውያን፡ ካብ መሪር ዓሌት መራራውያን። ዓሌታት ሌዊ እዚኣቶም እዮም፡ ዓሌት ሊብናውያን፡ ዓሌት ሔብሮናውያን፡ ዓሌት ማሕላውያን፡ ዓሌት ሙሻውያን፡ ዓሌት ቆራሓውያን። ቃሃት ከአ ንኣምራም ወለደ። ስም ሰበይቲ ኣምራም ድማ ዮካቤድ ነበረ። ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ ኣያ። ንሳ ኸኣ ንኣምራም ኣሮንን ሙሴን ሚርያም ሓብቶምን ወለደትሉ። ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዳሉ። ናዳብን ኣቢሁን ከአ ጋሻ ሓዊ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ኣቕረቡ፡ ሞቱ። እቶም ቁጽራቶም ተባዕትዮ ዘበሉ ኸአ፡ ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ብሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን እሞ፡ ስለዚ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቖጽሩን። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ዝቖጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም። ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቖጸርዎም ዙጸራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም ርብጽ በረኻ ኺሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከአ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኹሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡ ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸአ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። ወዲ ስለ ዝየነብሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረቦኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወባታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዜብሉ ኸአ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም። ኣሕዋቱ እንተ ዜብሉ ኸአ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም። ኣቡኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብዚ ኸረን ኦኣባሪም ደይብ፡ እታ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኸአ ርአያ። ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቛይቅቑኒ ከሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕደሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስካውን ምስኡን ከምኡ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ። ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቛይቅቑኒ ከሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕደሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስካውን ምስኡን ከምኡ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ። ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኣኦም ዚውጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚአቱን፡ ዚወጽኦምን ዜእትዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መናፍስቲ ኹሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድቡ። እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኣኦም ዚውጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚአቱን፡ ዚወጽኦምን ዜእትዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መናፍስቲ ኹሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድቡ። እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ በሎ፡ እያሱ ወድ ኔዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድ፡ ኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባን ከአ ደው ኣብሎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ኣዝዞ። ኩሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኺእዝዞ ኸአ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ደው ይብል፡ ንሱ ኸአ ብፍርዲ ኡሪም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕተተሉ። ንሱን ኩሎም ደቂ እስራኤልን ኩሉ እቲ ኣኼባን ከአ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ፡ ብቓሉ ይእተው። ሙሴን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ። ንሱ ኸአ ኣእዳው ኣብ ልዕሊኣኡ ኣንበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ እተዛረቦ ድማ ኣዘዞ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስራኣኤል፡ መስዋእተይ እቲ ብልዔይ፡ ነቲ ጥዑም ጨና ዚኾነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ ከተቕርቡለይ ሓልው ኢልካ ኣዝዞም፡ በሎም ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጎደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት ንሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ። ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ። ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ። እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። ንመስዋኣቲ መስተ ኸአ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። ኣቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኹዖ። ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋኣቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጊርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ። ብመዓልቲ ሰነብት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸአ ናይ መስተ መስዋእቱ። እዚ በጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ናይ ሰንበት ሰንበት ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። ኣብ መጀምርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ከተቕርቡ ኢኹም። መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ስለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ። ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር። ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከአ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከአ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ። በብወርሒ ዚሓርር መሰዋእቲ እዩ። ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ። በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸአ ፋሲጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ይኹነልኩም። ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ፡ ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ። ንምዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት። ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ ኣቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ። ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። በታ ቐዳመይቲ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ። ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም። ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም። ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም። ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል ፡ ጎድለኦ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ንምትዕራቕኩም ሓድ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ ኣቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋኣትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ነፍስኹም ከአ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹነልኩም። ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገሽል ዓስራይ ኣፍ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ። ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹኑ። ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ። ኣብቲ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓስርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝርብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ።ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓስርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት። ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። በቲ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቒጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ክቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ ኣተሰርዔ፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኮነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓልት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ድማ፡ ንሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸአ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ኩሉ ይግበር። ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተመባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከአ እንተ ተአስረት፡ ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ኸአ ይቑም። ኣቦኣ ቦታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኩሉ መብጽዓአን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከአ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ፡ ኸላ ወይ ብተሀዋኽ ካብ ኣፉ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡ እቲ ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓአ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰሪአ ድማ ይቑም። እቲ ሰብኣያ በቲ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልአ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓአን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፉ ዝመለቖ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኪሓድገላ እዩ። ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጽዓ ግና ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ ይቑመላ። ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልአ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተአስረትሉ፡ ካብ ኣፉ ዝወጸ ኹሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ነፍሳ ኽተትሕት ኢላ እተማባጽዓቶ ኹሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣይ የቑሞ፡ ሰብኣይ ኸአ ከንቱ የገብሮ። ሰብኣይ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንኹሉ መብጽዓኣን ንኹሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን እቆሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቖሞ። ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ ኣንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር። እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን ብጊዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጋጋት እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያንን ሕጊ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያንን ሕጊ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ሙሴ ኸአ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለው፡ ኣብ ሚድያን ሕጊ እግዚኣብሄር ዝፈድዩ ኸአ ንሚድያን ይኺዱ። ካብ ኩሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ሰብ ንውግእ ሰደዱ። ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቕሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም። ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቕሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸአ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ንኹሉ ተባዕታይ ድማ ቐለሉ። ንነገስታት ሚድያን ድማ፡ ንኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ምስቶም ቅቱላቶም ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ብሴፍ ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ከአ ነንስቲ ሚድያንን ንቖልዑኤንን ማረኹ። ኩሉ ማሎምን ኩሉ ጥሪቶምን ኩሉ ገንዘቦምን ዘመቱ። ንኹለን ዚነብሩለን ከተማታቶምን ኩሉ ሰፈሮምን ከአ ብሓዊ ኣነደዱ። ኩሉ ሰለባን ኩሉ ምርኮን፡ ሰብ ኮነ ማል ኮነ ወሰዱ። ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ ሰለባን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ፎላፉል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኣምጽእዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኩሎም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኪቕበልዎም ወጹ። ሙሴ ኸአ በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ሓላቑ ሰራዊት፡ በቶም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ተናደደ። ሙሴ ድማ በሎም፡ ንኹለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡ እንሆ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸአ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኮነ። ሕጂ ድማ ካብ ቆልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ኹለን ኣንስቲ ኸአ ቅተልወን። ንስኻትኩም ከአ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከአ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ። ንስኻትኩም ከአ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከአ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ። ኩሉ ኽዳውንትን ኩሉ ኣቕሓ ቖርበትን ካብ ጸጉሪ ጤል እተገብረ ኹሉን ኩሉ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣንጽህዎ። ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት በሎም፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ወርቅን ብሩርን፡ ኣስራዚ፡ ሓጺን ቁርቁሮን ዓረርን፡ ሓዊ ዚኽእል ኩሉ ነገር ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ይነጽህ ድማ፡ በቲ ዜንጽህ ማይ ከአ ይንጻህ። ሓዊ ንዘይኽእል ኩሉ ድማ ብማይ ኣሕልፍዎ። ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ክዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ትነጽሁ ኸአ። ድሕርቲ ናብ ሰፈር ትአትው። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኣኼባን ዃንኩም ነቲ ምርኮ ሰቡን ማሉን፡ ቁጽርዎ። እቲ ምርኮ ነቶም ኣብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእትን ንብዘሎ እቲ ኣኼባን ፍርቂ ፍርቂ ጌርኩም ምቐልዎም። ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ሰብ ውግእ፡ ካብ ሰብን ካብ ኣሓን ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ሓንቲ ነፍሲ እግዚኣብሄር ግብሪ ኣልዕል። ካብቲ ፍሮምን ውሰዱ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ። ካብ ፍርቂ ናይ ደቂ እስራኤል ከአ፡ ካብ ሰብ፡ ካብ ኣሓ፡ ካብ ኣእጉድን ካብ ኣባጊዕን፡ ካብ ኩለን ከብቲ ከካብ ሓምሳ ሓደ ውሰድ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልው ሌዋውያን ሀቦም። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ። እቲ እተዘምተ፡ ካብቲ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት ሹዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ በጊዕ፡ ሰብዓን ክልተን ሽሕ ላም፡ ስሳን ሓደን ሽሕ ኣድጊ፡ ኩልኹለን ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ ከአ ምስ ተባዕታይ ምድቃስ ዘይፈለጣ ነፍሳት ኣዋልድ። እቲ ፍርቂ፡ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ ቁጽሪ እተን ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ ሓሙሽተ ሚእትን ኮነ። ካብ ኣባጊዕ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሹዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኮነ። ኣሓ ድማ ሰላሳን ሹዱሽተን ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰብዓን ክልተን፡ ኣእዱግ ከአ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ እግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። ኣእዱግ ከአ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ እግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር በሆ። እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ፡ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከአ፡ እቲ ናይቲ ኣኼባ ፍርቂ፡ ካብ ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ኣሓ ሰላሳን ሹዱሽተን ሽሕ፡ ኣእዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹዱሽተ ሽሕ ኮነ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልው ዝነበሩ ሌዋውያን ሀቦም። እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቑ ኣሽሓትን ሓላቑ ሚእትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፡ ንሙሴ ኸአ፡ ገላውኻ ቁጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለው ዓቀይቲ ቖጽርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጎደለን። ነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረኸበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኩትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼተዐርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ በብዓይነቱ እተሰርሔ ኣቓሑ ወርቂ ኻባታቶም ወሰድዎ። እቲ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ካብ ሓላቑ ሚእትትታን ንእግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ ዘቕረብዎ ኹሉ ወርቂ ዓሰርተው ሹዱሽተ ሽሕን ሚእትን ሓምሳን ሲቃል ኮነ። እቶም ሰብ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንርእሱ፡ ዚኾኖ ማሪኹ ነበረ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን ወሲዶም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኣኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ። ደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኣዝዩን ብዙሓት ማል ነበርኦም። እንሆ ኸአ፡ ምድሪ ያዕዜርን ምድሪ ጊልኣድን ቦታ ማል ከም ዝኾነ ምስ ረአዩ፡ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መጺኦም፡ ንሙሴን ንኻህን ኣልኣዛርን ንሱማምቲ ኣኼባን፡ ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራህን ሔስቦንን ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን ቤዖንን፡ እዛ ኣቭ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝወቕዓ ምድሪ፡ ምድሪ ማል እያ፡ ገላውኻ ድማ ማል ኣለዋና፡ ኢሎም ተዛረብዎም። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላውኻ ርስቲ ትወሀብ፡ ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና፡ ከአ በሉ። ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን በሎም፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለውዶ፡ ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም። ስለምንታይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኸይአትው፡ ልቢ ደቂ እስራኤል እተድክሙ፡ ኣቦታትኩም ድማምድሪ ኺርእዩ ኢለ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ ገበሩ። ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም ነታ ምድሪ ምስ ረአይዋ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኻብ ምእንታው ንልቢ ደቂ እስራኤል ኣሸበርዎ። በታ መዓልቲ እቲአ ኸአ ኩራ እግዚኣብሄር ነደደ እሞ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፡ ብጀካ ካሌብን ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ኔዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከአ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም። ብጀካ ካሌብን ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ኔዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከአ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም። ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝነበረ ወለዶ ኽሳዕ ዝውዳእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ኾለል ኣበሎም። ኣቱም ትውልዲ ሓጥኣን ሰባት፡ ነቲ ነዳዲ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተበርትዑ፡ እንሆ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሳእኩም። ካብ ምስዓቡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ኸአ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ይሓድጎም እሞ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኹሉ ተጥፍእዎ ኣሎኹም። ንሳቶም ከአ ናብኡ ቐሪቦም በሉ፡ ኣብዚ ንማልና ደቤታት፡ ንቖልዑና ድማ ከተማታት ክንሰርሕ፡ ንሕና ግና፡ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እንእትዎም፡ ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ተዳሊና ኣጽዋር ሒዝና ኣሎና። ደቅና ኸአ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ ጽንዓት ከተማታት ይቀመጡ። ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዚረክብ፡ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን። ርስትናስ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ በጺሑና እዩ እሞ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታትቶም ርስቲ ኣይንወርስን። ሙሴ ድማ በሎም፡ እዚ ነገርዚ እንተጌርኩም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም፡ ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኩሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኣኤልን ከአ በይ በደል ትኾኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ። ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኩሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኣኤልን ከአ በይ በደል ትኾኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ። ከምኡ እንተ ዘይገበርኩም ግና፡ እንሆ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገበርኩም፡ ሓጢኣትኩም ከም ዚረኸብኩም ድማ ፍለጡ። ንደቅኹም ከተማታት፡ ነባጊዕኩም ከአ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ። ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንሙሴ፡ ገላውኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝአዘዞ ኺገብሩ እዮም። ቆልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኩሉ ማልናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልኣግ ይኹኑ። ገላውኻ ግና ኩላቶም ንውግእ ኣጽዋአ ዝሐዙ፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ ይሳገሩ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን፡ ንሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። ሙሴ ኸአ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣጽዋር ዝሓዙ ኹሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ፡ ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝኤት፡ ሽዑ ምድሪ ጊልኣድ ርስቲ ሀብዎም። ኣጽዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ፡ በሎም። ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንገላውኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ንገብር። ንሕና ኣጽዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸንኣን ንሳገር፡ እቲ እንርስተዮ ርስቲ ኸአ ኣብዚ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ይኹነልና፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ ኸአ ንኣታቶም ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፡ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ እታ ሃገር፡ ከተማታት ምስ ከባቢኤን፡ ናይታ ኣብ ዙርያ ዘላ ሃገር ከተማታት ድማ ሀቦም። ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን ዓጣሮትን ዓሮዔርን፡ ዓጥሮትሾፋንን ያዕዜርን ዮግብሃን፡ ቤትኒምራን ቤትሃራንን፡ እተዐርዳ ኸተማታት፡ ደምቤታት ኣባጊዕ ከአ ሰርሑ። ደቂ ሮቤል ድማ ሔስቦንን ኤልዓለን ቂርያታዩምን፡ ኔቦን በዓልሜዖንን ሰርሑ፡ ስመን ከአ ተለወጠ፡ ሲብማውን ሰርሑ። ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከአ ካልእ ስም ኣውጽኡለን። ደቂ ማኪር ወዲ ማናሴ ድማ ናብ ጊልኣድ ከይዶም ሐዝዋ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኣሞራውያን ከአ ሰጎጉዎም። ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልኣድ ሀቦ፡ ኣብኣ ኸአ ተቐመጠ። ያኢር ወዲ ምናሴ ድማ ከይዱ ዓድታቶም ሐዘ፡ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸአ ሰመየን። ኖባ ድማ ከይዱ ንቔናትን ኣቑሻታን ሓዛ፡ ብስሙ ኸአ ኖባ ኣውጽኣላ። ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣጓዕዞኦም እዚ እዩ፡ ሙሴ ድማ ነቲ ምውጻኦም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ምጉዓዞም ብትእዛዝ እግዚኣሄር ጸሐፎ። እቲ ኣጓዕዞኦም ከምቲ ምንቃሎም እዚ እዩ። በያ ቕርዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሴስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኹላቶም በኹርታት ኪቐብሩ ኸለው፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኩሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ። በያ ቕርዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሴስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኹላቶም በኹርታት ኪቐብሩ ኸለው፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኩሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ። ደቂ እስራኤል ከአ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ፡ ኣብ ሱኮት ከአ ሰፈሩ። ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን ብበረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ። ካብ ኤታም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ መንጽር በዓልጼፎን ናብ ዘላ ጲሃሒሮት ተመሊሶም፡ ኣብ መጣምቲ ሚግዶል ሰፈሩ። ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቂሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ተሳገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መጹ። ኣብ ኤሊም ከአ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ። ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቂሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ተሳገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መጹ። ኣብ ኤሊም ከአ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ። ካብ ኤሊም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ። ካብ ባሕሪ ኤርትራ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ። ኣብ በረኻ ሲን ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ረፈዲም ሰፈሩ፡ ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ረፈዲም ሰፈሩ፡ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ኣይነበረን። ካብ ረፈዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲና ሰፈሩ። ካብ በረኻ ሲና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ቂብሮትሃታኣባ ሰፈሩ። ካብ ቂብሮትሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጼሮት ሰፈሩ። ካብ ሓጼሮት ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። ካብ ሪትማ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሪሞንጵርሬጽ ሰፈሩ። ካብ ሪሞንጰሬጽ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈአአሩ። ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ። ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ። ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ። ካብ ከረን ሽፈር ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ። ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። ካብ ታሓተ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ። ካብ ታራ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። ካብ ብነያዓቃን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ። ካብ ሖርሃጊድጋድ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ። ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። ካብ ዓብሮና ነቒሎምውን፡ ኣብ ኤጽዮንጋበር ሰፈሩ። ካብ ኤጽዮንጋበር ነቒሎም ከአ፡ ኣብ በረኻ ጺን ሰፈሩ፡ ንሱ ቃዴስ እዩ። ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ካብ ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ። ካህን ኣሮን ከአ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ። ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ። እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ኣራድ፡ ኣብ ደቡብ ሃገር ከነኣን ዚነብር ከአ፡ ደቂ እስራኤል ከም ዝመጹ ሰምዔ። ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ። ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከአ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ። ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣቦት ሰፈሩ። ካብ ኣቦት ነቒሎም ከአ ኣብ ዒየዓባሪም ዶም ሞኣብ ሰፈሩ። ካብ ዒዮም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ። ካብ ዲቦንጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓልሞንዲብላታዩም ሰፈሩ። ካብ ዓልሞንዲብላተዮም ነቒሎም ኣብ ኣኽራን ዓባሪም ኣብ መንጽር ኔቦ ሰፈሩ። ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቂሎም ድማ፡ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ሰፈሩ። ኣብ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሸጢም ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ሰፈሩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጎላጎል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም። ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎም ካብ ቅድሜኹም ስጎጉዎም፡ ኩሉ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኩሉ ዝፈስስ ምስልታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ኩሉ በረኸት ቦትኦም ኣፍርሱ። እታ ሃገር ክትርስተይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ነታ ሀገር ተረስተይዋ፡ ኣብኣውን ንበሩ። ነታ ምድሪ ኸከም ዓሌትኩም ብዕጭ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሀብዎም። ነቶም ሒደት ድማ ጸቢብ ርስቲ ሀብዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጩ ዝበጽሓቶ ኣብኣ ይረስተ፡ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ተረስትዩ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነሩ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጎግኩምዎም ግና፡ እቶም ካባታቶም ዘትረፍክምዎም ኣብ ኣዒንትኹ እሾኹ፡ ኣብ መሰንገሌኽም ከአ ዳንዴር ኪኹኑኹም እዮም፡ ብታ እትነብርዋ ሃገር ኬጨንቑኹም እዮምል ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ንኣታቶም ክገብሮም ዝሐሰብኩ፡ ንኣኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከአ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ። ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን። ዶብኩም ብደቡብ ዓቀበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ፡ ብደቡብ ቃዴስባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻርኣዳር ወጺኡ ኸአ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ። ካብ ዓጽሞን ከአ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ። ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዩ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናይ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዩ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ጸዳድ ይውጻእ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻርዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከአ ኣብ ሓጻርዔናን ክሳዕ ሸፋም ኣመልከቱሉ። እቲ ዳብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቕ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከአ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ። እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከአ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባ ሃገርኩም ትኹን። ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሀብ ዝአዘዘ፡ እዚኣ እያ። ኣሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ሮቤል ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሓዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸአ ርስቶም ሓዙ። እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሓዙ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዚመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሲ ወዲ ነዌን። ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ። ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁሳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ። ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን ሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ። ካብ ነገድ ብንያም፡ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን። ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ። ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ። ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን። ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ። ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡ ሹም ጰልጢኤል ወዲ ዓዛን። ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ። ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡ ሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ። እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከንኣን ርስቲ ኺመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞም እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ካብቲ ዝወረስዎ ርስቲ ሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ከባቢኤን ከአ ንሌዋውያን ሀብዎም። ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም፡ እታ ኣብ ከባቢኤን ዘላ ምድሪ ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንኹሉ እንስስኦምን ትኹን። እታ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከከባቢ ኸተምታት ዘላ ምድሪ ድማ፡ ካብ መከባብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ ምግፋሓ ሽሕ መት ትኹን። ብወጻኢ ኸተማ ብሸነኽ ምብራቕ ከአ ክልተ ኣመት፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ክልተ ሽሕ እመት ስፈሩ። እታ ኸተማ ኸአ ኣብ ማኣከል ትኹን። እዚ ኸአ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም። እተም ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ቀታል ነፍሲ ምእንቲ ኺሀድመለይ እትህብዎ ሹዱሽተ ኸተማታት መዕቆቢ ይኹና፡ ኣብ ልዕሊኤን ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሀብዎም። እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ኩነለን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማታት፡ መምስ ከባቢኤን ይኹና። ብዛዕባ እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፡ ካብቶም ሒደት ዘለዎም ከአ ሒደት ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እታ እተረስተያ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሀብ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከአ፡ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ናብ ምድሪ ኸንኣን ምስ ተሳገርኩም፡ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ዚሀድመለን ከተማታት ፍለዩ። እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍሪድ ደው ከየበለ ኸይመውት፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቖቢ ይኹናኹም። እተን እትህብወን ከተማታት፡ ሹዱሽተ ኸተማ መዕቆቢ ይኹናኩም። ሰለስተ ኸተማ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ሀቡ፡ ሰለስተ ኸተማ ኸአ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሀቡ፡ ሰለስተ ኸተማ ኸአ ኣብ ምድሪ ከንኣን ሀቡ፡ ከተማታት መዕቆቡ ይኹና። ንደቂ እስራኤል ኮነ፡ ንጓና ኾነ፡ ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ ኾነ፡ ንጓና ኾነ፡ ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ ኾነ፡ ነፍስ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም፡ እዘን ሹዱሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቆቢ ይኹና። ብኣቕሓ ሓጺን እንተ ወቕዖ ግና፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታሊ ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸአ ርግጽ ይሙት። ወይስ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ድማ ርግጽ ይሙት። ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኪቕትል ብዚኽእል እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸእር ርግጽ ይሙት። እቲ ፋዳይ ደም ነታ ቐታሊ ይቕተሎ። ምስ ዚረኽቦ ባዕሉ ይቕተሎ። ብጽልኢ እንተ ደፍኦ ኸአ፡ ወይ ተጸናትዩ ገለ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ወይ ጽልኢ እንተ ደፍኦ ኸአ፡ ወይ ተጸናትዩ ገለ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ እቲ ዝወቕዖ ቐታል ነፍሲ እዩ እሞ፡ ርግጽ ይሙት። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ምስ ዚረኽቦ ይቕተሎ። ብጽልኢ ዘይኮነ ብድንገት እንተ ደፍኦ ግና፡ ንሱ ጸላኢኡ እንተ ዘይነበረ፡ ወይ ከአ ንኽፉኡ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ከይተጸናተወ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ፡ ወይ ከይረአዩ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ብጽልኢ ዘይኮነ ብድንገት እንተ ደፍኦ ግና፡ ንሱ ጸላኢኡ እንተ ዘይነበረ፡ ወይ ከአ ንኽፉኡ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ከይተጸናተወ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ፡ ወይ ከይረአዩ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ሕጊ እዚ ይፍረድ፡ እቲ ኣኼባ ኸአ ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ናብታ ሀዲሙላ ዝነበረ ኸተማ መዕቆቢቱ ይምለሶ። እቲ ብቕዱስ ኣብዚ እተቐብኤ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ይጽናሕ። እቲ ቐታሊ ኻብ ዶብ እታ ዝሀደመላ ኸተማ መዕቖቢቱ እንተ ወጸ ግና፡ እቲ ፈዳይ ደም ከአ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ መዕቆቢቱ እንተ ረኸቦ፡ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ነቲ ቐታሊ እንተ ቐተሎ፡ ዕዳ ደም የብሉን። እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቆቢቱ ኽጸንሕ ይግብኦ ነይሩ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ሞት ኣቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ምድሪ ርስቱ ይመለስ። እዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርሲ ይኹነልኩም። ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን። ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፡ ርግጽ ሞት ደአ ይሙት። ስለ እቲ ናብ ከተማ መዕቖቢቱ ዝሀደመ ሊቀ ኻህናት ከሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም ጋር ኣይትቀበሉ። ደም ንሱ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፡ ነታ ዘሎኽምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ እተኻዕዋ ደም ብጀካ ደም እቲ ደም ዝኸዐወ ኣይትዕረቕን ኣያ። ኣነ እግዚኣብሀር ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል እሐድር እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ኣብ ማእከላ ዝሓድራ፡ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዓሌት ደቂ ጊልኣድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ቀረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶን ሹማምቲ፡ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን ከአ ተዛረቡ። በሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዕጭ ኪህቦም ንጐይታይ ኣዘዞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ እታ ርስቲ ጸሎፍሓድ ሓሙና ነዋልዱ ኽህበን ኣዘዘ። ንሳተን ከአ ናብ ገለ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት ደቂ እስራኤል እንተ ተአተዋ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ድማ ይወሰኽ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ብዕጭ እተረስተናዮ ይንከ። ንደቂ እስራኤል ዓመት እልልታ ምስ ኮነሎም፡ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ይወሰኽ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ስርቲ ኣቦታትና ይንከ። ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኣኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፋድ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተአተዋ፡ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦተትን ጥራይ ግዳ ይተአተዋ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደአ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዝበለት ጓል ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኣኤል ርስቲ ኣቦተቱ ምእንቲ ኺወርስ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተኣቶ። ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበራ። ማሕላ ቲርጻ፡ ሖርግ፡ ሚልካ፡ ኖዓ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተአተዋ። ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተአተዋ፡ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኤን ተረፈ። እግዚኣብሄር ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ። እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ሱፍ ኣብ ዘሎ በረኻ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጎልጎል፡ ንኹሎም እስራኤል ዝነገሮም ቃላት እዚ እዩ። ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስባርኔዓ፡ መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ እዩ። ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኪነግሮም ዝአዘዞ ኹሉ ተዛረበ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነቲ ኣብ ዓስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዐሮም ኮነ። ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞአብ ነዚ ሕጊ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኺገልጾ ጀመረ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፡ ኣብዚ ኸረንዚ እተቐመጥኩምዎ ይአኽለኩም፡ ተመሊስኩም ተጉዐዙ፡ ናብ ከረን ኣሞራውያን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ኹሉን ናብ ጎላጉልን ናብ ኣኽራንን ናብ ቁላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን፡ ክሳዕ እቲ ዓብዩ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ኣተው። እንሆ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ። እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፡ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ፡ ንኣታቶም ብድሕሪኦም ከአ ንዘርኦም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ውረስዋ ኸአ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፡ ኣነ በየነይ ክጾረኩም ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሒኩም እዩ እሞ፡ ሎሚ ምብዛሕኩም እንሆ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኽምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከአ። እቲ ድኻምኩምን ክብደትኩምን ቆየቛኩምን ከመይ ገይረ በይነይ እጸሮ፡ ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ። ንስኻትኩም ድማ፡ እቲ እተዛረብካዮ ነገር ምግባሩ ጽቡቕ እዩ፡ ኢልኩም መለስኩምለይ። ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክምዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራደኾም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ሓውን፡ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓና ድማ ብቕንዕና ፍረዱ። ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዩ ስምዕዎ እምበር፡ ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልው። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ እቲ ዝበርትዓኩም ነገር ኣነ ኽሰምዖ፡ ናባይ ኣምጽእዎ። በታ ጊዜ እቲኣ፡ እትገብርዎ ኹሉ ኣዘዝኩኹም። ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና፡ በቲ ዝርኤኹምዎ ዓብዩን ዜፍርህን በረኻ፡ መገዲ ኸረን ኣሞራውያ ከድና፡ ናብ ቃዴስ ባርኔዓ ኸአ መጻእና። በልኩኹም ድማ፡ ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ኸረን ኣሞራውያን መጻእኩም። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሀበካ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደይብካ ውረሳ። ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ንስኻትኩም ከአ፡ ኩልኹም ናባይ መጺእኩም፡ በየናይ መገዲ ኸም እንድይብ፡ ኣብ ኣየኖት ከተማታትውን ከም እንኣቱ፡ ተመሊሶም ኪነግሩና ነታ ሃገር ዚስልዩና ቅድሜና ሰባት ስደድ፡ በልኩምኒ። እቲ ነገር እቲ ባህ ኣበለኒ እሞ፡ ካባኻትኩም ዓሰርተው ክልተ ሰብ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ወሰድኩ። ከይዶም ድማ ናብ ከረን ደየቡ፡ ናብ ለሰ ኤሽኮል ኣትዮምውን ሰለይዋ። ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ብእዳዎም ወሰዱ፡ ናባና ኸአ ኣውረድዎ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ፡ ኢሎም ድማ ምላሽ ነገሩና። ንስኻትኩም ግና ክትድይቡ ኣይፈቶኹምን እሞ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣቤኹምዎ። ኣብ ድንኳናትኩም ኳንኩም ኣጉረምረምኩም፡ በልኩም ከአ፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝጸልአና፡ ምእንቲ ኼጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእና። ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዚበዝሕን ዚነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ። ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትሸበሩን ኣይትፍርህዎምን። እቲ ቀቅድሜኹም ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኺገብረልኩም ዝርኤኹምዎ ኹሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ኪዋግኣልኩም እየ። ሰብ ንወዱ ኸም ዚሕንግሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ኩሉ ዝኸድኩምዎ መገዲ ኸም ዝሀንገረካ ርኢኻ። እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድም ኬርየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸአ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን። እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድም ኬርየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸአ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን። እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ። እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ። እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ። እግዚኣብሄር ንኣይ ድማ ብሰርኹም ንስኻውን ኣይትአትዋን ኢኻ፡ ኢለ ኾርየለይ። እያሱ ወዲ ነዌ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል፡ ንሱ ኺአትዋ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ኬረትዮም እዩ እሞ ኣትብዓዮ። እቶም ዚማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቆልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ቆልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈለጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ኪአትዋ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ በረኻ ኣቢልኩም ተጉዐዙ በለ። ሽዑ ኸአ፡ ንእግዚኣብሄር ኣበስና፡ ንድይብ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና ኹሉ ድማ ንዋጋእ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩምውን መሳርይኡ ተዐጥቀ፡ ናብ ከረን ክትድይቡ ኸአ ተዳሎኹም። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣይኮንኩን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ምእንቲ ኸይትስዐሩ፡ ናብኡ ኣይትደይቡ ኣይትዋግኡውን፡ በሎም በለኒ። ኣነ ድማ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፡ ብድፍረትኩም፡ ናብቲ ኸረን ደየብኩም እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን። እቶም ኣብ ኸረን ዚነብሩ እሞራውያን ድማ ወጺኦም ተቐባበሉኹም፡ ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ከአ ሰጎጉኹም፡ ኣብ ስዒር ድማ ክሳዕ ሖርማ ወቕዑኹም። ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኼኹም፡ እግዚኣብሄር ግና ድምጽኹም ኣይሰምዔን፡ እዝኑ ኸኣአ ጽን ኣይበለኩምን። ከምተን እተቐመጥኩምለን መዓልታት፡ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም። ካባኡ ተመሊስና ድማ፡ ከንቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ንበረኻ ገጽና ተጉዐዝና። ንኸረን ስዒር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ። እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ነዚ ኸረንዚ ምዛር ይአኽለኩም፡ ንሰሜን ገጽኩም ተመለሱ። ነቶም ህዝቢውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ብዶብ እቶም ኣብ ስዒር ዚነብሩ ኣሕዋትኩም፡ ደቂ ኤሳው ክትሓልፉ ኢኹም፡ ንሳቶም ይፈርሁኹም እዮም፡ ተጠንቀቑ ደአ፡ ኣይተዋግእዎም፡ ከረን ስዒርሲ ንኤሳው ርስቲ ሂበዮ እየ እሞ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትአክል እኳ ኣይሀብኩዎምን እየ። እንጌራ ኻባታቶም ብገንዘብ ዐዲግኩም ስተዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዩ በረኻ እዚ ምጉዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት በረኻ እዚ ምጉዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጎድለካን። ነቶም ኣብ ስዒር ዚነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፡ ካብታ መገዲ ጎልጎልን ካብ ኤላትን ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮንገበርን ኣግለስና። ገጽና መሊስና ኸአ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ሓለፍና። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ምድሪ ዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሀብክዎም፡ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ንሞኣባውያን ኣይተዕገርግሮም ኣይትዋግኣዮምውን። ቀደም ሓደ ዓብዩን ብዙሕን ከም ዓናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቱ ህዝቢ ኤሚም፡ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። ከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከአ ረፋያን፡ ይቑጸሩ። ሞኣባውያን ግና ኤማም ይብልዎም ነበር። ሖራውያን ድማ ቀደም ኣብ ስዒር ተቐሚጦም ነበሩ፡ ደቂ ኤሳው ግና ከምቲ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ርስቶም ዝገበርዋ፡ ሰጎጎም ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ስፍራኦም ድማ ተቐመጡ። ሕጂ ተንስኡ ርባ ዘሬድ ከአ ተሳገሩ። ርባ ዘሬድ ድማ ተሳገርና። እቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም፡ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኮነ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ክሳዕ ዝውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም እብኦም ነበረት። ኮነ ኸአ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኩሎም ካብ ማእከል ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ሎሚ ንስኻ ብዓር፡ ዶብ ሞኣብ፡ ክትሓልፍ ኢኻ። ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካ ኣይተዕገርግሮም፡ ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስትዩ ገለ እኳ ኣይህብካን እየ። እዚኣ ድማ ቀደም ረፋውያን ስለ ዝነበርዋ፡ ሃገር ረፋውያን ተቖጽረት፡ ዓሞናውያን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ። ከም ዓናቃውያን፡ ዓብዩን ብዙሕን ነዊሕ ዝቑመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጎጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ። ኣብ ስዒር ንዚነብሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፡ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኤ፡ ንኣታቶም ሰጎጎም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ። ነቶም ኣብ ዓድታት ክሳዕ ጋዛ ዝነበሩ ዓዊም ድማ፡ ካብ ካፍቶር ዝወጹ ከፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ ስፍራኦም ከአ ተቐመጡ። ተንስኡ፡ ተጉዐዙ፡ ለሰ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ ሲሆን ኣሞራዊ ንጉስ ሔስቦንን ምድሩን፡ ባ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ምውራስ ጀምር፡ ምስኡ ኸአ ተዋጋእ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዚነብሩ ኹሎም ህዝብታት ካብ ሎሚ ጀሚረ ምሽባርካን ፍርሃትካን ከውርደሎም እየ። ወሬኻ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ የንቀጥቅጡ ራዕዲ ድማ ይሓዞም። ካብ በረኻ ቀዳሞት ድማ ናብ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ከምዚ ኢለ ልኡኻት ምስ ናይ ሰላም ዘረባ ሰደድኩሉ፡ ከምቲ ኣብ ስዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውያንን ዝገብሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚሀበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከአ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ በልክዎ። ከምቲ ኣብ ስዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውያንን ዝገብሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚሀበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከአ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ በልክዎ። ከምቲ ኣብ ስዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውያንን ዝገብሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚሀበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከአ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ በልክዎ። ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድካ ኺህበካ፡ ንመንፈሱ ኣትረሮ ንልቡ ኸአ ተጻራሪ ገበሮ እሞ፡ ኬሕልፈና ኣይፈተወን። እግዚኣብሄር ከአ፡ እንሆ ንሲሆንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀመርኩ እሞ፡ ንምድሩ ምእንቲ ኽትርስትያ፡ ምውራሳ ጀምር፡ በለኒ። ሲሆን ድማ፡ ንሱን ኩሉ ህዝቡን፡ ናብ የሃጽ ንምውጋእና ኺቃባበለና ወጸ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና፡ ንእኡን ንደቁን ንኹሉ ህዝቡን ከአ ወቓዕናዮም። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኩለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኩለን ከተማታቱ ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍና ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። እተን ዝዝመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብ ከተማታት ዝገፈፍናዮ ንኣና ወሰድና። ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ለሰ ዘላ ኸተማ ኸአ ክሳዕ ጊልኣድ ሓንቲ ኸተማ እኳ ብምንዋሓ ዝጸንዓትና ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንኹለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና። ጥራይ ምድሪ ደቂ ዓሞን፡ ኩለ ወገን ርባ ያቦቅን ኣብ ከረን ዝነበራ ኸተማታትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ኹሉ ኣይቀረብካን። ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ፡ ንጉስ ባሳን ድማ ምድ ኩሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኺዋግኣና ኢሉ ኺቃባበለና ወጸ። እግዚኣብሄር ከአ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍራሀዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእእዩ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ። ከምኡ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንኹሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሀበና፡ ሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ። በታ ግዜ እቲኣ ኹላ ምድሪ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማ ኩለን ከተማታቱ ሒዝና ካባታቶም ዘይሓዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን። ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዐርዳ ብዙሓት ከተማታት፡ ብነዊሕ መካበብያ እተዐርዳ። ብመዓጹን ብመሸጎርን ዝጸንዓ እየን። ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋኣናዮም። ንኹለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። ኩለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ። እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ። ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ። ጎልጎል ዘለዋ ኹለን ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን። ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኮነን፡ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸአ ኣርባዕተ እመት ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሀብክዎም። ተረፍ ጊልኣድን ኩላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሀብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ኩላ ባሳን፡ ሃገር ረፋውያን ትበሀል። ያኢር ወዲ ማናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካውያንን ዘላ ኹላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚሰመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎትያኢር ኣውጽኣለን። ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሀብክዎ። ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸአ ዶብ ደቂ ዓሞን፡ ድማ ጎልጎልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪረነት ክሳዕ ናይ ጎልጎል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ንምብራቕ ሀብክዎም። በታ ጊዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዛዝክኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስትይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ሰብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ። ኣንስትኹምን ቆልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኹም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሀብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ። እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኸትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስትይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሀብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንእያሱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ፡ ኣዒንትኻ ርእየን ኣየን፡ ነተን ናብኤን እተሐልፍ ዘሎኻ ኹለን መንግስታት ከአ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺገብር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ኪገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፡ ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ሊባኖስን፡ ክርኢ ኾታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቖጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከአ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡ ነዚ ዮርዳኖስ ኣይተሳግሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደየብ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸአ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት። እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሓልፍ፡ ንሱ ኸአ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኼረትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞ ኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን። ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤትጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና። ሕጂ ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚሀበኩም ድሪ ኽትአትውን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋት ፍርድታትን ስማዕ። ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸአ ኣይትነክዩ። እግዚኣብሄር ብናይ በዓልጴዖር ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል ጴዖር ዝስዐቡ ኹሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸም ዘጥፍኦም፡ ኣዒንትኹም ርእየን። ንስኻትኩም ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተጸጋዕኩም፡ ኩልኻትኩም ሎሚ ብህይወትኩም ኣሎኹም። እንሆ ኣብታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ እትኣትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝአዘዘኒ ሓጋጋትን ፍርድታትን መሀርኩኹም። ንስኻትኩም ከአ፡ እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ፡ ስለዚ ሓልውወን ግበርወን ድማ። ንኹሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖም፡ እዚ ኦኣብዩ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ፡ ኪብሉ እዮም። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ፡ ኣየናይ ዓብዩ ህዝቢ እዩ፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘለኹ ኹሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ ኹሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዩ ህዝቢ እዩ፡ ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረአዮ ነገር ከይትርስዖ ፡ ብኹሉ መዕልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደአ ኸተፍልጦም፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሓሉ። እታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝቖምካላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ከአ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩላን ኩለን መዓልትታት ምፍራሄይ ኪመሀሩ፡ ንደቆም ድማ ኪምህሩስ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከአ ደው በልኩም። እቲ ኸረን ከአ ደው በልኩም። እቲ ኸረንውን ክሳዕ ማእከል ሰማይ ሓዊ ይነድድ ነበረ፡ ጸልማትን ደበናን ጣቓን ድማ ነበሮ። እግዚኣብሄር ከአ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፡ ድምጺ ዘረባኡ ሰማዕኩም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡ መልክዕሲ ከቶ ኣይርኤኹምን። እቲ ኽትገብርዎ ዝአዘዘኩም ኪዳኑ፡ ዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩም። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸአ ጸሐፎ። እግዚኣብሄር በታ ጊዜ እቲአ ድማ ንኣይ ኣብታ ኽትወርስዋ እትሓልፍዋ ምድሪ ኽትገብርዎ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ። በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኽዛረብኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሓልው። ብዝኾነ ምስሊ፡ ብመልክዕ ሰባኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እትወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከየበላሽው፡ ኣብ ልዕሊ ምስሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ኹሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡ ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ኹሉ ዓሳ ኸአ፡ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኩሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕሊ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለው ኹሎም ህዝብታት ዝመቐሎም ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሓሎ። ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹዎም፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኮንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ ኣውጺእኩም እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቖጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸአ ከይትአቱ መሓለ። ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚበላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩ ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚበላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩ ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ። ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸአ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፡ ናይ ዝኾነ ገለ መልክዕ ዝለዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸው፡ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ኸአ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፡ ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምስሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱ፡ ኣነ ሎሚ ሰማይን ምድርን ኤመስክረልኩም ኣሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፡ ነዊሕ መዓልቲ ኣይትነብርዋን ኢኹም። እግዚኣብሄር ናብ ማእከል ህዝብታት ኪብትነኩም እዩ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝወሰደኩም ኣህዛብ ሒደት ቁጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም። ኣብኡ ነቶም ባኢድ ሰብ እተገብሩ ዘይርእዩ፡ ዘይሰምዑ፡ ዘይበልዑ፡ ዘየጨንቅ ኣማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም። ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣንተ ደሌኻዮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ። ምስ ጸበበካ፡ እዚ ኹሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸአ ክትሰምዕ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን እየጥፍአካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሓሎ ኺዳን ኣይርስዖን። ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዩ ነገር ኮይኑ እንተ ኾነ፡ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቀዳሞት ዘበናት ጠይቕ። ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ቃሉ ዝሰምዔ፡ ብህይወት ከአ ዚነብር ህዝቢዶ ኣሎ፡ ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዐዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዩ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራኣየካ። ምእንቲ ኽምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ። ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፡ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ፡ ባዕሉ ኸአ ብዓብዩ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ። ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ፡ ናብኣ ምእንቲ ኼእትወካ፡ ከምዚ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐዮን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጎጎም። እምበአር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ኸአ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ካልእ ከም ዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብካውን ሕሰቦ። ንኣኻን ብድሕሬኻን ድማ ንደቅኻን ኪጽብቐልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሓዋሩ ዚህበካ ምድሪ ኸአ መዓልትታትካ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ሐሉ። ሽዑ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ስለስተ ኸተማ ፈለየ። ቅድም ጽልኢ ዘይነበሮ ብዘይ ፍልጠት ብጻዩ ዝቐተለ ቐታሊ ዘህድመለን፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ሀዲሙ ምእንቲ ብህይወት ኪነብር እዚ ገበረ። ንደቂ ሮቤል ቤጾር ኣብ በረኻ ኣብ ጎልጎል፡ ንደቂ ጋድ ከአ ራሞት ናይ ጊልኣድ፡ ንደቂ ምናሴ ድማ ጎላን ኣብ ባሳን። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኣኤል ዘነብሮ ሕጊ እዚ እዩ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ንሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕጋጋትንን ፍርድታትን እዚ እዩ። ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ርባ፡ ኣብ መንጽር ቤትጴዖር፡ ኣብ ምድሪ ሲሆን፡ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፡ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝወቕዕዎ፡ ምድሩን ምድሪ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ናይ ክልቲኣኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብምብራቕ ጸሓይ ዝነበረ፡ ሐዙ። ካባታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳዕ ከረን ሲዮን፡ ንሱ ኸአ ሄርሞን፡ ኩሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ጎልጎል፡ ክስዕ እቲ ኣብ ስግሪ ጎቦታት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ጎልጎል ድማ ሐዙ። ሙሴ ድማ ንኹሎም እስራኤል ጸዊዑ፡ በሎም ዎ፡ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተመሀርዎን ሓለውን ግበርዎን ከአ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን ኣተው። እግዚኣብሄር እዚ ኽዳን እዚ፡ ንሕና ኹልና ኣብዚ ሎሚ ብህይወት ምስ ዘሎና፡ ምሳና እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይአተዎን።። እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረብኩም። ሽዑ ሓዊ ፈሪህኩም ናብቲ ኸረን ኣይደየብኩምን እሞ በታ ጊዜ እቲኣ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፡ ኣነ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኹምን ቆምኩ። ንሱ በለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልውኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘለው እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም። ንዚፈትወኒ፡ ትእዛዛተይ ንዚሕልው ኸአ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ነጻ ኣይሓድጎን እየ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘአዘዝካ፡ ክትቅድሳ ሓልዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ኩሉ ተግባርካ ግበር። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኺኦአርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኩሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝኾነ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽአካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰነብት ክትሕሉ ኣዘዘካ። ኣብታ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። ሰበይቲ ብጻይካ ኣይትመነ። ቤት ብጻይካ፡ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ኹሉ ኣይትመነ። እዘን ቃላት እዚኤን እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓውን ደበናን ጥቃን ዓው ኢሉ፡ ንብዘላ ማሕበርኩም ተዛረበ፡ ካልእ ኣይወሰኽን። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጽሒፉ ኸአ ንኣይ ሀበኒ። ኮነ ኸአ፡ ኩሉ እቲ ኸረን ኪነድድ ከል፡ ካብቲ ጸልማት ቃል ምስ ሰማዕኩም፡ ኩላቶም ሓላቑ ነገዳትኩምን ሽማግሌታትኩምን ናብይ ቀረብኩም፡ በልኩም ድማ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርአየና፡ ድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕና፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪዛረብ፡ ንሱ ኸኣአ ብህይወት ኒነብር ሎሚ ራኤና። ሕጂ ድማ ስለምንታይ እንመውት፡ እዚ ዓብዩ ሓዊ ኺበልዓና እዩ እሞ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰማዕና፡ ክንመውት ኢና። ካብ ኩሉ ስጋኻ ኸማና ድምጺ ሃይው ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ። ንስኻ ደአ ቕረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ኹሉ ድማ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ኹሉውን ንስኻ ንገረና፡ ንሕና ኸንሰምዖን ክንገብሮን ኢና። ክትዛረቡኒ ኸሎኹም ድማ፡ እግዚኣብሄር ቃል ዘረባኹም ሰምዔ፡ እግዚኣብሄር ከአ በለኒ፡ ቃል ዘረባ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ እተዛረቡኻ ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ እትዛረብዎ ኹሉ ጽቡቕ እዩ፡ እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለአለም ምእንቲ ኺጽብቐልኩም፡ ኪፈርሁንን ኩሉ ትእዛዛተይ ኪሕልውን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ። ኪዱ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ በሎም። ንስኻ ግና ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኺገብርዎ፡ እቲ እትምህሮም ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተትይን ክነግረካ፡ ኣብዚ ምሳይ ደው በል። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይትዝበሉ። ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኩላ ምገዲ ኺዱ። ኣቲ ኣብታ ኽትርስተይዋ እትሓልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ፡ ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሀሉ። ስለዚ፡ ዎ እስራኣኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ። ዎ እስራኣኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻ ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን ንኣኻ ኺህበካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ ዘይሰራሕካየን ኦኣበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ ዘይመላኣየን ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኮዐትካዮ ኹዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከአ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሓል። እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንክምዎ፡ ኣይትፈትንዎ። ትእዛዛት እግዚኣብሂር ኣምላኽኩም፡ ንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከአ ኣጽኒዕኩም ሐልው። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር። ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ኣንታይ እዩ፡ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡ ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከአ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጎድእን ትእምርትን ተአምራትን ገበረ። ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበና፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪኾነልና ኸምዚ ሎሚ ዘለናዮ ኸአ፡ ብህይወት ኼንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ኹሉ ትእዛዛት ክንገብሮ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና። ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና ንኹሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይኹነልና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎጎካ፡ ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓአ ኻባኻ ዚዐብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸአ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ። ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸአ የጥፍኣካ። ከምዚ ደአ ግበርዎም፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልታትቶምውን ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ፡ እተጸርበ ምስልታቶም ከአ ብሓዊ ኣንድዱ። ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው ህዝብታት ፍለዮ፡ ህዝቡ ኽትኮኖ ሐረየካ። እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኩሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ። እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣድሓነካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ንዝፈትውዎን ታዛዙ ንዚሕልውን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ፍለጥ። ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዚጸልኦ ኣይድንጉን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደአ ይፍደዮ። እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ተጠንቀቕ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሓሎኻዮን ስለ ዝገብርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ምሕረትን ኪሕልወካ እዩ፡ ኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከአ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኪህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኽርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸካ እዩ። ሓለፋ ኹሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰበኣይ ኮነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን። እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቆ ኣዩ፡ እቲ እትፈልጦ ኹሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኩሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ኹሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሓፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኮኑኻ ኣይተምልኮም። ብልብኻ ድማ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጻኦም እኽእል፡ እንተ በልካ። ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩላ ግብጽን ዝገብሮ፡ ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዩ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጻአካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኩሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኺገብሮም እዩ። ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ዕኮት ኪሰደሎም እዩ። እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ፡ ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ፡ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፡ ቦኣብዩ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍአ የሸብሮም። ንነገስታቶም ከአ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ኪቃወም ዚኽእል ሰብ የልቦን። እትወቕርረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣቦታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኮልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ። ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ኸይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፋን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፡ ተሐሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን። ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትአትውን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ኹሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ኾንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኹሉ እንቲ ኽፈልጥ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ ዘክር። ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኩሉ ነገር ደአ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር፡ ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ። በዘን ኣርብዓ ዓመት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለይን፡ እግርኻውን ኣይሓበጠን። ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ዝቐጽዓካ፡ ብልብኻ ፍለጥ። እምበአር በመግዱ ንምኻድን ንኣኡ ንምፍራህን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡ እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ፡ ገለ እኳ ዘይጎድለካ ምድሪ፡ ኣእማና ሓጺን፡ ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትኹዕተላ ምድሪ። ኽትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝህበካ፡ ከተመስግኖ ኢኻ። ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ኹሉ ድማ ምስ በዝሔ፡ ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት በርነት ዘውጽአካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡ በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎም፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዚፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡ ኣብ በረኻ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸአ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ። ብልብኻ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ኹሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ነዚ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ረሳዕካ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸአ እንተ ሰዐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከአ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ ኣምስክረልኩም ኣሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም። ዎ እስራኤል፡ ስምዕ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዮን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፡ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትአቱ ኢኻ። ዎ እስራኤል፡ ስምዕ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዮን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፡ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትአቱ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዚበላዕ ሓዊ ቐቕድሜኻ ከም ዝሓልፍ ከአ፡ ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኼጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸአ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካ፡ ከተውጻኦም፡ ቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነኣ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእተወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደአ እዩ። ብጽድቕኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኮንካን ንስኻ ንምድሮም እትአትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዚገብርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሓለሎም ነገር ማኣንቲ ኬቐውም ደአ እዩ። ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይህበካ ፍለጥ። ዘከር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዜኼሬኽዩ፡ ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ። ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣኾሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከአ ተናዲድኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ። ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኽትኩም ዝአተዎ ኺዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩም፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹም ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሀበኒ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኽትኩም እተዛረቦ ኹሉ ቓላት ከአ ኣብኤን ተጽሒፉ ነበረ። ኮነ ኸአ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሀበኒ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝአዘዝክምዎ መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፡ ዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድ በለኒ። እግዚኣብሄር ከአ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣለኹ፡ እንሆ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ። ከጥፍኦም፡ ስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ደማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽግብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ። ተመሊሰ ኸአ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከአ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ። ጠመትኩ ድማ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም። ነተን ክልተ ጽላት ሓጽኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርበየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን። በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኾርይዋ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ ኣሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ዝገበርኩምዎ ኹሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ። በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኾርይዋ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ ኣሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ዝገበርኩምዎ ኹሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ። ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቖጥዖ፡ ኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ። ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎ ቀጥቂጠ ኸም ተጎጓ ኽሳዕ ዚኸውን ኣድኪመ ተሓንክዎ፡ ነቲ ተጎጓ ኸአ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ርባ ደርቤኽዎ። ኣብ ታብዔራን ኣብ ምሳን ኣብ ቂብሮትሃታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣኾረኹምዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝሀብኩምኹም ምድሪ ወረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስባርኔዓ ምስ ለአኽኩም ሽዑ ንትእዛዝ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኽምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን። ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም። እግዚኣብሄር፡ ከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ በተን ተደፍኤን ዝነበርኩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ። ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎ፡ በልክውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጎያታይ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ ብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ንባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት። እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገር፡ እግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ኬእትዎም ስለ ዘይከአለን ስለ ዝጸልኦምን ምእንቲ ኣብ በረኻ ኪቐትሎም ኣውጽኦም፡ ከይትብል፡ እዚኣቶምሲ ብዓብዩ ሓይልኻብን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻኣካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም። በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት ኣምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር። እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከአ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ። ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣአ ታባኦት ገበርኩ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩ፡ ንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸአ ናብቲ ኸረን ደየብኩ። እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጽሐፈን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒ። ተመሊሰ ኸአ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኒ ኸአ ኣብኡ ተነብራ። ደቂ እስራኣኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮትብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፡ ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ። ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጉዳውን ንዮጥባታ፡ ምድሪ ወሓዚት ማያት ተጓዕዙ። በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነግድ ሌዊ ታቦት ኪዳን እግዚኣቤር ኪጸውር፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ። ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦ፡ ርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ። ኣነ ድማ ኣብቲ ከረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቖምኩ። በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ስምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ኼጥፍኣካ ኣይፈተወን። እግዚኣብሄር ከአ፡ ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽአትውን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጎዐዝ በለኒ። ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብኹሉ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ። ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብኹሉ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ኹሉን ናትይ እዩ። ድላዩ ነባኦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንዘርኦም ካብ ማእከል ኩሎም ህዝብታት ሐረየኩም። እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግበሩ፡ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጎይተት፡ እቲ ዓብዩ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለሲ ኸአ ዘይቕበል እዩ። ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከአ ይህቦ። ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተው። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ ንእኡ ኣምልኾ ናብኡ ኽአ ተጸጋዕ፡ ብስሙውን ምሐል። ንሱ ውዳሴኻ ኣዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ። ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለው፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ። ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ እቲ ሓልዎ ዝበለካ ሓጋግቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ወርትግ ሐሉ። ነቶም መግናሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ ኣሞ፡ ነቲ ዕቤቱን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሎሚ ፍለጡ። እቲ ኣብ ማእከል ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ብዘላ ሃገሩን ዝገብሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን፡ ኣብ ሰራዊት ግግብጽን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ ድማ፡ እቲ ኽሰጉኹም ከለው፡ እቲ ማይ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ልዕሊኦም ከም ዝደፈኖም፡ ክሳዕ ሎም ድማ ከም ዘጥፍኦም፡ ንኣኻትኩም ከአ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበጽሑ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበሮ፡ ኣብ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል ዝገበሮ ድማ ምስ ድስራ ቤቶምን ድንኳናቶምን ምስ ኩሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን፡ ኣብ ማእከል ኩሉ እስራኣኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሓጠቶም፡ ሎሚ ፍለጡ። ከመይሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ኹሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም። ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስትይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝአዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልው። ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስትይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝአዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልው። እታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ምድሪ ኸምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ኣይኮነትን። እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምስሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡ ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከአ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብአ እየን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ከተፍቅርዎ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ኦሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትስምዕዎ፡ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብ፡ ዝናም ምድርኹም በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ። ኣብ ግራሁኻ ድማ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ፡ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ። ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣባኻትኩም ድማ ካባታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣባኻትኩም ድማ ካባታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። እምበአር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከአ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገሲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከአ ጽሐፎ። እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልቲኣት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኽበዝሓ እዩ። እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛት ኽትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከአ ከተፍቅሩ፡ ብኹለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣአ ክትለግቡን፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሎኽምዎ፡ ሽዑ ኣግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኩሎም ካብ ቅድሜኹሞ ኪሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውና ካባኻትኩም ንዚዐብዩን ንዚሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም። እግርኹም ዝረገጻ ዝበለት ቦታ ናትኩም ክትከውን እያ፡ ዶብኩም ካብ በረኻ ኽሳዕ ሊባኖስ ካብቲ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ኪኸውን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፡ ናብ እትኸድዋ ዘበለት ምድሪ ፍርሃትኩምን ስምባድኩምን ኪሰድድ እዩ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዚብል የልቦን። እንሆ፡ ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር ኣሎኹ፡ እቲ ምርቓ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ። እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም፡ ደድሕሪ ዘይትፈልዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸአ እንተ ሰዐብኩም እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ነቲ ምርቓ ኣብ ከረን ጌሪዚም፡ ነቲ መርገም ከአ ኣብ ከረን ዔባል ዃንካ ንገር። ንሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብኽንየው እታ ብምዕራብ ጸሐይ ዘላ መገዲ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንጽር ጊልጋል ዘሎ ጎልጎል፡ ኣብ ጥቓ ድዋታት ሞሬ ዚነብሩ ከነኣናውያንዶ ኣይኮነን፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትአትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋ ክትነብርዋን ኢኹም። እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘሎኹ ኹሉ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብርዎ ሓልው። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኩለን መዓልትታት ክትገብርዎ እትሕልውዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ። እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኩርባታትን ኣብ ትሕቲ ኹሉ ልምሉም ኦምን ንኣማክቶምን ዜገልግሉለን ዝነበሩ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእወን። መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሐወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ከአ ብሓዊ ኣንድዱ፡ እተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ኣውድቑ፡ ስሞም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፍኡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ። ግናኸ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኩሎም ነገዳትኩም ስሙ ኼብረላ ዝሐረያ ቦታ፡ ነዛ ምሃደሩ ድለዩ፡ ናብኣውን ምጻእ። ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መባእኩምን በኹሪ ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ናብኣ ኣምጽኡ። ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዝርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጎሱ። ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዩ፡ ኣይትግበሩ። ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዩ፡ ኣይትግበሩ። ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድአት ክትነብሩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለው ጸላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፡ ሽዑ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ፡ እዚ ኹሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ናብኣ ኣምጽኡ፡ ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት እዳውኩምን፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩምዎ ሕሩይ መብጽዓኹምውን። ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን፡ ተባዕትዮ ግዙኣትኩምን ኣንስትዮ ግዙኣትኩምን ኣብ ውሽጢ ደጌታትኩም ዘሎ ሌዋዊ ኸአ፡ ንሱ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሐጎሱ። ዚሐርር መስዋእትኻ ኣብ ኩሉ ዝርኤኻዮ ቦታ ኸይተዕርግ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሐረያ ቦታ ደአ፡ ኣብኣ ዚሐርር መስዋእትኻ ኣዕርግ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ኸኣ ኣብኣ ግበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት ከም ድሌት ነፍስኻ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ሐሪድካ፡ ስጋ ብላዕ፡ ከም ሰስሓን ከም እራብን፡ ዘይንጹህን ንጹህን ይብልዓዮ። ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ። ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በኹሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን እተማባጻዕካዮ መብጽዓኻን ናይ ፍቓድ ህያብካን ዚለዐል መስዋእቲ ኢድካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸይትበልዖ ተጠንቀቕ። ንስኻ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጊታትካ ዚነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዝርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጎስ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ኹሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሓድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከምቲ ዝበለካ፡ ዶባትካ ምስ ኣግፍሔ፡ ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሀገት፡ ስጋ ደአ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኩሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዚህበካ፡ ካብ ኣሓኻን ካብ ኣባጊዕካን ሐሪድካ፡ ከምቲ ዝአዘዘኩኻ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸም ኩሉ ባህጊ ነፍስኻ ብላዕ። ሰስሓን እራብን ከም ዚብልዓ ብልዓዮ፡ ርኹስን ንጹህን ከም ሓደ ይብልዕዎ። ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ። ከም ማይ ደአ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ኸአ ንደቅኻ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ኣይትብልዓዮ። ሓንትስ እቲ ዘሎካ ቅዱስ ነገርን መብጽዓኻን ሒዝካ ነቲ ዚሐርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰውኣዮ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይፍሰስ፡ ነቲ ስጋ ኸአ ብልዓዮ። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኼጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነገር ሓልዎን ስምዓዮን። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኼጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነገር ሓልዎን ስምዓዮን። ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸአ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜኻ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኮል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከአ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከምይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሕትት ተጠንቀቕ። ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ኹሉ ፍንፋን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዶሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ። እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ክትግበርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኽአ ገለ ኣይትተንክዮ። ኣብ ማእከልካ ነብዩ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኤ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከአ ከምቲ ዝበለካ እንተ ኾነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ኾንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ነብዩ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ። ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ንእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልው፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸአ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ። ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻኣኩም፡ ካብ ቢት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዩ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቑፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝኾነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፡ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለው ህዝብታት፡ ሕራይ እይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ ኸአ፡ ኣይትሕብኣዮውን። ርግጽ ቅተሎ ደአ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቕድም፡ ደሓር ኢድ ኩሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኩሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቐተሎ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኩሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቐተሎ። ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነግረለን እግዚኣብሄር ዚህበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ በሊያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይተፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነግረለን እግዚኣብሄር ዚህበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ በሊያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይተፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡ ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸአ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፋን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ኾይኑ፡ ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ኹሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ። ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ኹሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንኹሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸአ ኣይትስራሕ። እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኩራኡ ምእንቲ ኽምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ከአ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኽትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝኽዕነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ። እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኩራኡ ምእንቲ ኽምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ከአ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኽትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝኽዕነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ። ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምውት፡ ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ። ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ። እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጠልን፡ እራብን ሰስሓን ዓጋዜንን ድንኩላን ዝዖታን ሜዳቑን ቶራን። ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸኾናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጉስዕ ዚመልስ ኩሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ። መጉስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸኾናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጉስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸኾናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርኹሳት ይኹናኹም፡ ሐሰማ ንሳ ሸኾናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጉስዕን እያ ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ኹሉ እትበልዖ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ኹሉ ብልዑ። ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም። ንጽሃት ዘበላ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ካባታተን ከአ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡ ኩሉ ዃኹ ድማ በብዓይነቱን፡ ሰገንን ጉጉትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡ ንእሽቶ ጉንጓን ዓባይ ጉንጓን ቀራን ጉንጓ ድማ፡ ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡ ክንፊ ዘለዎ ኹሉ ለመምታ ኸአ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። ንጹሃት ዘበለ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ። ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ኹሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍርህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምህርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በኹሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸኻ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለሲ፡ ንገንዘቡ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኹሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከአ ትሕጎሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ። ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኩሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለው ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን። ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓውን ኣይድለዮ። ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ። ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቒቕካ ደአ ስምዓዮ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ እቲ ዝደልዮ ኸአ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኽፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ኸአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዝርጋሕካሉ ኹሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ። ኣብራዊ ሓውካ ወይ እብራዊት ኣቦኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹዱሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ሕደጎ። ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሓድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራይ ኣይትስደዶ። ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቑ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ። ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከም ዘድሓነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ ኣሎኹ። ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን እንተ በለካ፡ ዝኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኩሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ። ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓስባ ዕጽፊ ገይሩ ሽዱሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ኹሉ ኺባርኸካ እዩ። ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኩሉ በኹሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበኹሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በኹሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቑረጽ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኳንካ ብልዓዮ። ገለ ጎደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝኾነ ኽፉእ እንታ ዝለዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ። ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ። ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደአ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺእካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ፡ ፋሲጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል። ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ። ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘብኹዔ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበኹዔ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ። ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኩሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርኤ፡ በታ መጀምርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሐረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። ኣብ ዝኾነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ፡ ፋስጋ ኽትሓርድ ኣይትኽእልን። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ደአ፡ ኣብኣ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻኣክላ ጊዜ፡ ጸሓይ ክትዐርብ ከላ፡ ፋሲጋ ሕረድ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮ። ንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ። ሹዱሽተ መዓልቲ ዘይበኹዔ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዩ በዓል ኣኼባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ። ሾብዓተ ሰሙን ቁጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረሉ ሾብዓተ ሰሙን ክትቆጽር ጀምር። ከም መጠን እቲ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት ከአ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለው ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሃጎስ። ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሓልዎን ግበሮን። ፍርያት ካብ ዕውድኻን ካብ መጽሙቕ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ በዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል። ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘለው ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ይተሓጎስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ እቶትካን ብኹሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጎስ ክትሕጎስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕል። ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ዓመት፡ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ድስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ። ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ኹለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበር። ንህዝቢ ኸአ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን ይዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከአ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል። ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኸአ ክትወርስሲ፡ ጽድቂ አ፡ ጽድቂ ስዐብ። ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝኾነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኸእይ ኣይተቑም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ ጎደሎ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ ኣይትሰውኣዮ። ኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኸብ፡ ከይዶም ከአ ንዘይአዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንኹሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡ እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ኾይኑ፡ ሽዑ ነቲ እዚ ነገር እዚ ዝገበረ ሰባይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም። እቲ ዚመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት። ንምቕታሉ ቅድም ኢድ እቶም ምስክር፡ ደሐር ከአ ኢድ ኩሉ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ኣብ ደጌታትካ ብናይ ባእሲ ነገር፡ ኣብ መንጎ ደም ንደም፡ ኣብ መንጎ ባእሲ ንባእሲ፡ ኣብ መንጎ ቑስሊ ንቑስሊ፡ ምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሲእካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ደይብ፡ ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከአ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይንገሩኻ። ከምቲ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሀሩኻ ኹሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ። ከምቲ ዝመሀሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋ ኣይትዝበል። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዚኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፡ መሊሱውን ኣይዕበን። ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን። ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለው ኹሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ክንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌኻ ንጉስ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኮነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኣይተንግስ። ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደአ ኣየብዝሕ፡ ኣፍራስ ምእንቲ ኼብዝሕ ኢሉ ኸአ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢልኩም እዩ። ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከአ እምብዛ ኣየብዝሕ። ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ከይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዕልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኩሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸአ የንብቦ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ከይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዕልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኩሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸአ የንብቦ። ነቶም ሌዋውያን ክህናት፡ ንብዘሎ ነገድ ሌዊ፡ ምስ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሀልዎም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓውን ርስቱን ይብልዑ። ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከአ ርስቲ ኣይሀልዎም፡ ከምቲ ዝበሎም፡ ርስቶምሲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብቶም መስዋእቲ ሕሩድ ዚስውኡ ህዝቢ ኸአ ንኻህንት ዚግባእ እዚ ኣዩ፡ ብዕራይ ኮነ፡ በጊዕ ኮነ፡ ኢድን ምንጋጋታትን ከስዔን ንኻህን ይሀሉ። ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኩሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጉሪ በጊዕካውን ንእኡ ሀቦ። ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኩሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጉሪ በጊዕካውን ንእኡ ሀቦ። ሓደ ሌዋዊ ኣብ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ዚነብር፡ ካብ ሓንቲ ኻብ ደጊታትካ እንተ ወጸ እሞ ብምሉእ ድሌት ልቡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ እንተ መጸ፡ ሽዑ ኸምቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዚቖሙ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል። ብጀካ እቲ ኻብ ናይ ኣቦታቱ እተሸጠ ዝመጾ፡ ግዲኦም ማዕረ ማዕረ ይብልዑ። ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጎል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቛሊ ወይ ንምውታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኩሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቅቲ ዛዕጎልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዩ ኸተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ከምቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ ከምዚ ኢልካ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝለመንካዮ፡ ምእንቲ ኸይመውት መሊሰ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣይሰምዕን፡ እዚ ዓብዩ ሓዊ ድማ ደጊም ኣይርእን። እግዚኣብሄር ከአ፡ እቲ እትዛረብዎ ጽቡቕ እዩ በለኒ፡ ከማኻ ዝበለ ነብዩ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከአ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ኹሉ ኽነግሮም እዩ። ይኸውን ከአ፡ ነቲ ብስመይ ዚዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ፡ ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ። እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይአዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዩ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዩ እቲ ይሙት። ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ። እቲ ነብዩ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ እንተ ዘይኮነ፡ ኣንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዩ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ። ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምድሮም ዚህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ስለስተ ኸተማ ፍለ። ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኸሀድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ዶም ምድርኻ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ። ናብኡ ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ፡ ዕጨይቲ ኪቐርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፡ ኦም ኪቖርጽ ኢሉ፡ ማሕጽ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጽያዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸአ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር። ቀደም ጽልኢ ስለ ዘየነብሮ፡ ሞት ዘይግብኦ ኽነሱ፡ እቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ ነቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሐቐ ኸአ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ፡ ስለዚ ኣነ፡ ስለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ ኹሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሾኡ ኣብ ልዕሊ እዘን ስለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ። እዚ ኸአ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ከይኸውን እዩ። እዚ ኸአ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ከይኸውን እዩ። እዚ ኸአ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ከይኸውን እዩ። ግናኸ ሐደ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸልኦ፡ ኣድብዩ ጸኒሑ ድማ፡ ተንሲኡ ኽሳዕ ዚመውት እንተ ወቕዖ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን እንተ ሀደመ፡ ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሀብዎ፡ ይሙት ከአ። ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ነቲ ንጹሕ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ እምበር፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ። ኣብቲ እትወርሶ ርስትኻ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርስትያ ዚህበካ ምድሪ እቶም ቀዳሞት ዝደወብዎ፡ ዶብ ብጻይካ ኣይትግዕዝ። ኣብ ዝኾነ በደል ወይ ኣብ ዝኾነ ሓጢኣት፡ ኣብ ዚግበር ዘበለ ሓጢኣት፡ ሓደ ምስክር ኣብ ሰብ ኣይቖም። ኩሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ብኣፍ ስለስተ ምስክር ይቑም። ሓሳው ምስክር ኣብ ሰብ ብገለ ኣበሳ ኺምስክር እንተ ተንስኤ፡ ሽዑ ኽልቲኦም ባእሲ ዘለዎም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲኤን ፈራዶ ዝኾኑን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቑሙ። እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ምስክር ሓሳዊ ምስክር እንተ ኾነ እሞ ኣብ ሓው ብሓሶት እንተ መስከረ፡ ሽዑ ኸምቲ ንሓው ኺገብሮ ዝሐሰበ፡ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ካብ ማኣከልካ ኣርሕቆ። እቶም ዝተረፉ ኸአ ኪሰምዑን ኪፈርሁን እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ነገር ኣብ ማእከልካ ኣይገብሩን። ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፡ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፡ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤኻ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ ኣሞ፡ ኣይትፍርሃዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡ ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው። ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው። እቶም መዃንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ይዛረቡ፡ ሓድሽ ቤት ዝሰርሔ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፡ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ። ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሓጎሰሉ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት፡ ካልእ ሰብ ድማ ከይትሕጎሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸአ ይምለስ። ሰበይቲ እተሓጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳድ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ። እቶም መኳንንቲ ኸአ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎም፡ ይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዚጀጁ መን ኣሎ፡ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ኸአ ከይሽበርሲ፡ ይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ። ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቁ ሰራዊት ይሽሙ። ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸውዓያ። ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ኹሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ። እትዋግኣካ ደኣ እምበር ዘይተዕረቐካ እንተ ኾነት፡ ሽዑ ኸበባ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካን ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ። ኣንስትን ሕጻናትን ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ኹሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምርኮ ጸላእትኻ ኸአ ክትበልዕ ኢኻ። ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኮና፡ ከምኡ ግበረለን። ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተምታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ። ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም። ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም። ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባ፡ ኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብኤን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቑረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፡ እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቁረጽ ድማ። እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፡ መኸበቢኣ ስርሓላ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኸበ፡ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ። ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ዘይዐየየት ኣርዑት ዘይሰሐበት ኣርሒ ይውሰዱ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ ይውርድዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ። ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግልዎ ብስሙውን ኪባርኹ ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። ኩሉ ባእስን ኩሉ መፍጋእትን ከአ ከም ቃሎም ይቑም። ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ኹሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዕ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሓጸቡ። ይምለሱ ይበሉ ኸአ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍስሶን፡ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቑጸር። እቲ ደም ከአ ይስረየሎም። ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ። ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈተኻያ ሰበይትኻ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋ፡ ርእሳ ኸአ ትላጺ፡ ጽፍራውን ትቑረጽ። ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳን ድማ ትደርብዮ፡ ኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከአ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእተዋ እሞ ሰበኣያ ትኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣ፡ ኣዋሪድካ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ። ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኣ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸአ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በኹሪ ኸአ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ኾነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንጸቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በኹሪ በሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በኹሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ኻብ ኩሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በኹሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀምርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብኹርነት ንእኡ ይግብኦ። ንሓደ ሰብ ሀልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ ኣብኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከአ ይበልዎም። ኩሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ ይሙት ከአ። ክፉእ ዝበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከአ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ። ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡ ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መኦኣልቲ ደአ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክስ። ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዑ ጠፊኦም እንተ ርኤኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶም እብመር፡ ካብ ኦም ኣይትተሓባእ። እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዩ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ። ንእእድጉ ኸምአ ግበር፡ ብኽዳኑ ኸአ ከምኡ ግበር፡ ብዝኾነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ክትሕባእ ኣይትኽእልን። ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲኡ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ኾንካ ብምትንሳኡ ሓግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይተተሓባእ። ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከአ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ። ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቕሖ፡ ኣዲኦም ከአ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቍቛሖ፡ ሓቑፉ እንተ ጸንሓትስ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ። ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸአ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም። ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ፡ ብዕራይናድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕርስ። ካብ ጸሩግን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሓዊሱ እተአልመ ዓለባ ኣይትከደን። ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ። ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸአ እንተ ጸልኣ፡ ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዎ። ኣቦ እታ ጓል ከአ ነቶም ሰበይቲ ኽትከውን፡ ሀብክዎ ንሱ ኸአ ጸልኣ። እንሆ ድማ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ዜንውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸአ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ። ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኸባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማእ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኸበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። ኣብ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከአ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከአ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት። ነታ ጓል ግና ገለ እይትግበራ፡ እዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዝቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን። ኣብ መሮር እዩ ዝረኸባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲ፡ ኣእውያ፡ ዜድሕና ግና ኣይነበረን። ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸአ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ኣቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትኹን። ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ። ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራምነሃራዩም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዕላም ኪሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደአ መለሰልካ። ምሉእ ዕድሜኻ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ። ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈትፍኖ። ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢኻ እሞ ኣይትፈንፍኖ። ካብ ሳልሳይ ወለዶ እንተወልዱ ቖልዑኦም ናብ ማእሀብር እግዚኣብሄር ይእትው። ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እተሰፍር፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ተጠንቀቕ። ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎ፡ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ። ይኸውን ድማ፡ ኣጋ ምሸት ማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከአ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ። ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንኮሻ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ክትኹዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸአ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን። ካብ ጎይትኡ ሀዲሙ ንእተማዕቖበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸአ። ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን። ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝኾነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ። ሓረጣ ገንዘብ ኮነ፡ ሓረጣ እኽሊ ኾነ፡ ብዚሕረጥ ኩሉ ነገር ንሓውካ ኣይትሕርጥ። ንጓና ደአ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከኾነካ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። እንተ ዘይተማጻባዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሓልዎን ግበሮን። ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ አቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር። ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ቢድካ ቕጸ፡ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ እይተእቱ። ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልኣ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ ሰበይቱ ኽትኮኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡ እንድሕሪ ረኸስተ፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ። ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ። ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኸበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኸበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ። ካብ ሕማም ለምዚ ተሐሎ፡ ከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሀሩኹም፡ ኩሉ ኽትግበሩ ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝአዘዝክዎም ክትገብሩ ተጠንቀቁ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገሱ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገብሮ ዘክር። ንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እተለቅሖ፡ ታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። ኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለዋሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኽ ኣይውጽኣዮ። እቲ ሰብ ከአ ንሱ ድኻ እንተ ኾነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይትሕድር። ተኸዲንዎ ምእንቲ ኺድቅስ እቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምስሰሉ፡ ይምርቐካ ኸአ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጽድቂ ይኹነካ። ኣብ ኣሕዋትካ እንተ ኾነ፡ ወይ ኣብ ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ኾኑ፡ ንድኻን ንሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ። ንሱ ድኻ እዩ ፡ ነፍሱ ኸአ ንእኡ ትጽበ ኣላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኮነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጥርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይኹነካ። ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፡ ደቂ ኸአ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት። ስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወ ክዳን መበለት ከአ ንታሕዚ ኣይትውሰድ። ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብኣ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ ኣሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዐጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ። ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ኣብ ጨናፍር ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታማትን ንመበለትን ደአ ይኹን። ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ ኣሎኹ። ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ ኣሎኹ። ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ኾነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸአ ይፍረድዎ። ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቑጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቑጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሓስር ካብኡ ኣይብዛሕ። ኣፍ እቲ ዜይድ ብዕራይ ኣይትእሰር። ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትእቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምውት ሓው ኻብ እስራኤል ምእንቲ ከይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በኹሪ ብስሙ ይጸዋዕ። እቲ ሰብኣይ ንሰብይቲ ሓው ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓው ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓው ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸአ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እየ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ፡ እታ ሰበይቲ ሓው ድማ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓው ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይብገሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ። ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ ይበሀል። ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም ኣንተ ተበኣሱ፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸአ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዚወዖ ኸተድሕኖ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሐዘት፡ ኢዳ ቑረጻ፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየላ። ኣብ ከረጺትካ በብይኑ ሚዛን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ። መስፈሪ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሀሉኻ፡ ድልድል ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሀሉኻ። እዚ ዚገብር ኩሉን ዓመጻ ዚገብር ኩሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ። እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገብረካ ዘክሮ። ንስኻ ደኺምካን ተሓሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጛነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸአ፡ ነቶም ዳሕርቶካ፡ ንኹሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዔ። ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ኹሎም ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስሶ፡ ኣይትረስዓዮ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኹሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን ኣቲኻ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺህበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ ኣሎኹ፡ ትብሎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ከፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ። ንስኻ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣራማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ኸአ ወረደ፡ ቁጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ኮይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸአ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾነ። ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸአ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰሚዔ፡ ምጥቅዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከአ ረአየ። እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጻእና። ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸአ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ምድሪ ሀበና። ሕጂ ኸአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ መጀምርታ ፍረ ኣታ ዝሀብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ ኣሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኻ ኣንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ ስገድ። በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝህበካ ኹሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከአ፡ ክትሕጎስ ኢኻ። በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኩሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በል፡ ነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤ፡ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ኹሉ ትእዛዝካ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን። ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ንገለ ምውትውን ካብኡ ኣይሀብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ስማዕኩ፡ ብኹሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ገበርኩ። ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፡ ንኣና ዝሀብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ባርኽ። በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ እሞ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ሓልዎን ግበሮን። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ ሓጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ንስኻ ኸአ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኩሉ ትእዛዛቱን ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳኤን ንስምን ንኽብርን ከአ ልዕሊ ኹሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ። ንስኻ ኸአ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኩሉ ትእዛዛቱን ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳኤን ንስምን ንኽብርን ከአ ልዕሊ ኹሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ። ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ዝህቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልውዎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቖም እሞ፡ ብኖራ ለቕለቖ። ምስ ተሳገርካ ኸአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽታኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ኹሉ ቓላት ጽሐፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባይ ኣቖምዎ፡ ብኖራ ኸአ ለቕለቕዎ። ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ። ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ። መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጎስ። ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ። ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንኹሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዃንካ ኢኻ። እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ ግበር። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባይ ቆይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንኹሉ ሰብ እስራኤል ከአ ብዓብዩ ድምጺ ይበሉ። ኣተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ ብእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሓቢኡ ኸአ ዜንብሮ፡ ሩም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ። ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይብል። ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። ዕውር መገዲ ዜጋግዩ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን ይበል። ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ዝኾነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቡኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን ይበል። ንብጻዩ ብስውር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። ንፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገብረካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ኹሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኸበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን። ፍረ ኽርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከአ ብሩኽ ይኸውን። መሶብካን መልመሲኻን ብሩኽ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይመጹኻ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ። እግዚኣብሄር ኣብ ቖፎኻን ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርኸካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሓሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝብቢ ገይሩ ኬቑመካ እዩ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኸአ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርኣዩ እሞ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ዚህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርኻን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሐካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኩሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኽ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ ኪክፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግባሩ ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ እዚ ኹሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኽውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣበጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሓዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጉኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ኸአ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናብ ምድርኻ ተጎጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸአ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኩሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ። ሬስታትካ ንኹሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከአ የልቦን። እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምግሉንጭዋን ብዓበቕን በመበላይን ገይሩ ኸአ ኪወቕዓካ እዩ። ኣግዚኣብሄር ብጽላለን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕውር ብጸልማት ሃሰሰ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰሰ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን። ወርትግ ጥቑዕን ዝሙት ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸአ የልቦን። ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒውን ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን። ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ካብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለስን ከአ፡ ኣባጊዕካን ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸአ የልቦን። ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናረኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከአ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርኣያኦ ኹሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ። እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ኹሎም ህዝብታት ከአ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ፡ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ። ወይኒ ትተክል ትኹስኩሶ ኸአ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን ገለ እኳ ድማ ኣይትእከብን። ኣብ ኩሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይኾነልካ፡ ግናኸ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን። ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኮኑን። ኩሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኩብኩብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ። ንሱ ኼልቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝእዝዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኹሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጎካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪኾኑ እዮም። ኩሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደአልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኩሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸአ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጹ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከአ፡ ፍረ ኽብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍአካ፡ ስርናይ ኮነ፡ ወይኒ ኾነ፡ ዘይቲ ኾነ፡ ምውላድ ላምካ ኾነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ኾነ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትአምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኩሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብኹሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኩላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቑጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓውን ነታ ኣብ ሕቑፋ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኺቢቡ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዝበልዖ ስጋ ውሉድ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቑጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቕኣን ቑጽይንጽይ ብምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ብምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለይትን ሰበይቲ ኸአ ነቲ ኣብ ሕቑፋ ዘሎ ሰብኣይ ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ኹሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለድቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝኾነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከአ እንተ ዘይፈራህካ፡ እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ ዓብዩ እሞ ዚድንጉ መቕዘፍቲ ሕሱም እሞ ዚደንጉ ሕማም ክገብሮ እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ኹሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኽመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ኹሉ ሕማምን ኩሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም። ብቑጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከአ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩምን ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቆሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኩሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎ ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከአ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እርግኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን። ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመንት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከአ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደአ፡ ክትብል፡ ምሸት ከአ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኮኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም፡ ዚዕድግ ከአ የልቦን። እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ሆሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝአትዎ ኺዳን ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከአ ንሙሴ ምሳታቶም ኪእቱ ዝአዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ። ሙሴ ድማ ንብዘለው እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንኹሎም ንገላውን ንኹሉ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገብሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረአያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርታታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከአ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። ሙሴ ድማ ንብዘለው እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንኹሎም ንገላውን ንኹሉ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገብሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረአያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርታታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከአ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ልቢ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከአ ንምስማዕ ኣይሀበኩምን። ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ መራሕኩኹም ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ሳእኒ ድማ ኣእጋርካ ኣይበለየን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡስ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን ወይንን ብርቱዕ መስተን ከአ ኣይሰቴኹምን። ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መጻእኩም ከአ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ዖግ ንጉስ ባሳንን ኪዋግኡና ኢሎም ኪቃባበሉና ወጹ፡ ንሕና ድማ ሰዐርናዮም። ሃገሮም ከአ ሓዝና ንሮቤልን ንጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከአ ርስቲ ሀብናዮም። እምበኣር እትገብርዎ ኹሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩምሲ፡ ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ሐልውዎን ግበርዎን። ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም። ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም። ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም። ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም። እዚ ኽዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቖይሞም ዘለዎን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለውን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኮንኩን ዘቖሞ ዘሎኹ። እዚ ኽዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቖይሞም ዘለዎን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለውን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኮንኩን ዘቖሞ ዘሎኹ። ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዝነበርናን በቶም ብማእከሎም ዝሐለፍኩም ህዝብታት ድማ ከም ዝሓለፍናን፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ጽያፎምን እቲ እባይቶም ዝነበረ ናይ ዕጨይቲ እምንን ብሩርን ወርቅን ጣኦታቶምን ርኤኹም። እምበኣርሲ ሰብኣይ ኮነ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ዓሌት ወይ ነገድ፡ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመልስ እሞ ከይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዜምልኽ ከይህልወኩም ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዜብቂል ሱር ከአ ከይርከበኩም። ከይኸውን ድማ፡ ቃላት እዚ መርገም እዚ ሰሚዑስ፡ ብልቡ ነታ ነፍሱ ኸምዚ ኢሉ ዚባርኽ፡ ኣነስ ብትሪ ልበይ እንተ ኸድኩ ንጽምአተይ ድማ ስኽራን እንተ ወሰኽኩሉ፡ ሰላም ይኹነለይ። እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን፡ ሽዑ ግና ኩራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደአ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ኣቲ ይተክኽ እቲ ኣብዚ መስሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ኹሉ መርገም ከአ ኣብ ልዕሊኢ ይነብር፡ እግዚኣብሄር ከአ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኽሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኣኤል ናብ ክፉእ ኪፈልዮ እዩ። ዳሕራይ ወለዶ፡ ብድሕሬኹም ዚትንስኡ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጹ ጓናን ከአ ናይ እዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምጽኣላ ሕማምን ምስ ዚርእዩ ክብሉ እዮም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኮርዩን ነዲዱን ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንጽቦይምን ዝገምጠለን ምግምጣል፡ እታ ምድሪ ኹላ ኸይትዝራኣን ከይተፍርን ገለ ሳዕሪ ኸይተብቁልን ዲንን ጨውን ንዳድን ኮነት። ኩሎም ህዝብታት ድማ ኪብሉ እዮም፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሀግር እዚኣ ከምዚ ዝገብራ፡ ስለምንታይከ እዚ ዓብዩ ኩራኡ ነደደ። ይብሉ ኸአ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደጎ፡ ከይዶም ከአ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንዘይፈልጥዎምን ንዘይተዋህቦምን ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ። ስለዚ እቲ ኣብዚ መጽሓግ እዚ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኬምጽኣላ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ነደደ። እዎ፡ እግዚኣብሄር ብኹራን ብነድርን ብዓቡዩ ቑጥዓን ካብ ሃገሮም ምሕው ኣቢሉ ከምዚ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም። እቲ ስውር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ኹሉ ነገር ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ኹሎም ህዝብታት ዃንካ ከአ፡ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እንተ ሐሰብካዮ፡ ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ፡ ንስኻን ደቅኻን ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ተመለስካ፡ ቃሉ ድማ እንተ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስ፡ ይድንግጸልካ ኸአ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዘነብረ ኹሎም ህዝብታት ከአ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኸአ ክበካ እዩ። እቶም ስጉጓትካ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ ካብኡ ኺእክበካ፡ ካብኡውን ኬምጽኣካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ናብታ ኣቦታትካ ዝወርስዋ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፡ ንስኻ ኸአ ክትወርሳ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ኼጸብቐልካ፡ ካብ ኣቦታትካ ድማ ኬብዝሓካ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ምእንቲ ኸተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኪገዝር እዩ። እዚ ኹሉ መርገም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኻካ ናብ ጸላእትኻን ናብቶም ዚጸልኡኻን ዚሰጉኻን ኪገብሮ እዩ። ንስኻ ድማ ተመሊስካ ንቓል እግዚኣብሄር ትሰምዖ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱ ኸአ ትገብሮ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ እንተ ሓሎኻ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሓጎስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ብምግባር ኪሕጎስ እዩ ኣሞ፡ እግዚኣብሄር ብኹሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ እንተ ሓሎኻ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሓጎስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ብምግባር ኪሕጎስ እዩ ኣሞ፡ እግዚኣብሄር ብኹሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባኻ ዝረሐቐን ኣይኮነን እሞ፡ ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸአ ዜስምዓና መን እዩ፡ ከይትብል፡ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን። ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸአ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፡ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኮነን። እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ፡ ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። ብህይወት ምእንቱ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸአ ክትከይድ፡ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ። ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከአ እንተ ተስሓብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትአትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑን። ህይወት ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኣታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ። ሙሴ ኸይዱ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንብዘሎ እስራኤል ተዛረበ፡ በሎም ከአ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ እሞ፡ ደጊም ክወጻን ክአቱን ኣይክአልን። እግዚኣብሄር ድማ፡ ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ በለኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኺሳገር እዩ እሞ፡ ንሱ ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኻ ኼጥፍኦም እዩ። ንስኻውን ክትኽሳድካን እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ እንሆ ሎሚ ኣነ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም ከሎኹ እንኳ ንእግዚኣብሄር ዝዐሎኹምዎስ፡ ድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ኺገድድ እዩ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ሕጂ ኸአ ዓበይቲ ነገዳትካን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከአ ከመስክረሎም እየ። ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ንርእስኹም ከም እተበላሸው፡ ካብታ ዝአዘዝኩኹም መገዲ ድማ ከም እተግልሱ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተኾርይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፍእ ስለ ዝገበርኩም፡ ንዳሕራይ ዘበን ሕሱም ነገር ኪረኽበኩም እዩ። ሙሴ ድማ ኣብ እዝኒ ኹላ ማሕበር እስራኤል፡ ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ኽሳዕ ዚውዳእ ነገሮም። ክዛረብ እየ እሞ ሰማያት ጽን በሉ፡ ምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ። ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ ዘረባይ ከአ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ፡ ከም ጥቕሚ ኣብ ልዕሊ ለምለም፡ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ፡ ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፡ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ። ኩሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ። ንሳቶም ተበላሸውዎ፡ ደቁ ኣይኮነን፡ ነውራኣት እዮም። ሓረመኛን ቄናን ወለዶ እዮም። ኣታ ዓሻን ዘየለባምን ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፡ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኮነን። ዝገብረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ። እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፡ ዐመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፡ ነቦኻ ጠይቆ፡ ንሱ ኸአ ኬግህደልካ እዩ፡ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም። እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረተዮም፡ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፡ ከም ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ። ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፡ ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ። ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህየሉ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ፡ ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ። ብሰሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር፡ ኣብ ልዕሊኦም ከአ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ከነቲቱ ኸአ ጾሮ። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፡ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረ። ኣወጢሑ ብበረኸት ምድሪ ኣሕለፎ፡ እቶም ግራሁ በልዔ፡ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፡ ካብ ተሪር ከውሒ ኸአ ዘይቲ። ጠስሚ ላምን ጸባን በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን ደዓውልን ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፡ ካብ ደም ኣስካል ከአ ወይኒ ሰቴኻ። ይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔ፡ ሰባሕካ፡ ረጎድካ፡ ከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሓደጎ፡ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ። ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፡ ብጽያፍ ኣናደድዎ። ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፡ ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፡ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፡ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ። ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘኾረይዎ፡ እግዚኣብሄር ከአ ርእዩ ደርበዮም። በለ ድማ፡ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶ፡ እምነት ዜብሎም ደቂ እዮም ኣሞ፡ ገጸይ ክሓብኣሎም እየ፡ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ። ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፡ ብኹንትነቶም ኣኾረዩኒ። ኣነ ኸአ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፡ ብዓሻ ህዝቢ ከኾርሮም እየ። ብኹራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድ፡ ንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓ፡ መሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር፡ ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም አእክብ፡ ፍላጻይ እውርውረሎም። ብጥሜት ይምህምኑ፡ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ። ኣስናን ኣራዊት ምስ ሕንዚ ለመምታ ኽሰደሎም እየ። ሴፍ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃት፡ ንጎበዝን ንቖንጆን ንዚጠቡ ምስ ሸያብ ኪውድኦም እዩ። ምበልኩ፡ ፋሕ ከብሎም፡ መዘከርታኦም ካብ ማኣከል ሰብ ክጥርስ። ግናኸ ምቁንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፡ እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፡ ነዚ ኹሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደአ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገብሮ፡ ከይብሉ። ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፡ ምስትውዓል ከአ የብሎምን። ነዚ ኼስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፡ ለባማት ደአ እንተ ዚኾኑ። እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡ ከመይ ገይሩ ደአ ሓዳስ ንሽሕ ይሰጎም፡ ክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም፡ እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኮነን እሞ፡ ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዩ፡ ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡ ካብ ግራት ጎሞራ ኸአ እዩ እሞ፡ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፡ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ። ወይኖም ሕንዚ ገበል፡ ዝበርትዔ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከአ እዩ። እዚ ኣባይ ተአርኒቡ፡ ኣብ መዝገበይ ከአ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን፡ መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀሪባ፡ እቲ እተዳለወሎም ከአ ቀልጢፉ ኸመጽእ እዩ እሞ፡ በታ ኣእጋሮም ዚሰናኸለላ ጊዜ፡ ምፍፋይ ሕነን ምኽሓስን ናትይ እዩ። ሓይሎም ከአ እተወድኤ፡ እተዐጽወን እተሓድገን ከም ዜልቦ ድማ ምስ ረአየ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺብይን እዩ እሞ፡ ንባሮቱ ኸአ ኪርሕርሓሎም እዩ። ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም። ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም። ኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፡ ሕጂ ርአዩ። ኣነ እቐትል ህያው ከአ እገብር፡ ኣነ ኤቑስል እፍውስ ድማ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከአ የልቦን። ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ ኣነ ንዘለኣለም ህይው እየ፡ እብል። ኣነ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሓልኩ፡ ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፡ ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፡ ካብ ደም ቅቱላት ምሩኻትን ንፍላጻታተይ ብደም ክስክሮ እየ። ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢ፡ ስጋ ኺውሕን እዩ። ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፡ ንመጻርርቱ ሕነ ኺፈዲ፡ ንምድሩ፡ ንህዝቡ ኺዕረቕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ምስ ህዝቡ ተሓጎሱ። ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ኔዌ፡ መጺኡ ኣብ እዝኑ እቲ ህዝቢ ኹሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ። ሙሴ ኸአ ኹሉ እዚ ነገር እዚ ንኹሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድኤ፡ በሎም ድማ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘለኹ ኹሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም፡ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እበር፡ ከንቱ ነገር ኣይኮነን፡ ኣብታ ንስኻትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እተሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ። እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ናብ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፡ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኣኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ። ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ እተአከበ፡ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙት፡ ናብ ህዝብኻውን ተአከብ። እዚ ኣብ ማይ መሪባ፡ ኣብ ቅቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዐመጽኩምኒ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከአ ስለ ዘይቀደኩምኒ እዩ። ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ። ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኣኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፡ ካብ ሲዒር ድማ ተላዕለሎም፡ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፡ ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፡ ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም። እወ፡ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፡ ኩሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፡ ኣብ እግርኻ ይቕመጡ፡ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ። ሙሴ ኸአ ሕጊ፡ ርስቲ ማሕበር ያእቆም አዘዘና፡ ሓላቑ ህዝቢ፡ ነገዳት እስራኤል ኩሎም ብሓደ ምስ ተአከቡ፡ ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ። ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡ ሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ። ይሁዳ ኸኣአ እዚ እዩ፡ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃሉ ይሁዳ ስማዕ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ ኣእተዎ፡ ኣእዳው ይጽንዓሉ፡ ካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኾኖ። ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለ፡ ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፡ ነቶም ኣብ ማሳ ዝፍተንካዮም፡ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተኸራኸርካዮም፡ ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ኣይርኤኽዎምን፡ ዝበለ ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፡ ንደቁ ኸአ ኣይፈለጦምን ቃልካ ሐልዮም እዮም እሞ፡ ኪዳንካ ኣጽንዑ። ንያእቆብ ፍርድታትካ፡ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኺምህሩ፡ ዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲውን ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡ ኣዮም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሓይሉ ባርኽ፡ ግብሪ ኢዱ ኸአ ተቐበል። መሊሶም አይትንስኡስ፡ ሕቖ እቶም ዚጸልእዎ መጻርርቱ ስበር። ብዛዕባ ብንያም በለ፡ ፍቑር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ኪነብር እዩ፡ ምሉእ መዓልቲ የጽልሎ፡ ኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሐድር። ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለ፡ ምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፡ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቕ፡ በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፡ በቲ በዋርሕ ዚበቑል ክቡር ነገር ከአ። በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሔሸ ነገር፡ በቲ ናይ ዘለኣለም ኩርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፡ በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፡ በቲ ኣብ ኣሻኹ ቋጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፡ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ። ግርማ እቲ በኹሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፡ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፡ ብእኡ ገይሩ ንኹሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፡ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም። ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ። ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ። ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ። ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሓብኤ መዝገብን ኪጠብው እዮም ኣሞ፡ ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዑ፡ ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኬቕርቡ እዮም። ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ። እቲ ንጋድ ዝግፍሔ ብሩኽ ይኹን። ከም ኣንስታይቲ ኣንበሳ ይስፈር። ቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር፡ ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዐቑሩ ነበረ እሞ፡ እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሐረየ፡ ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸ፡ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኽአ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ። ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፡ ዳን ካብ ባሳን ዚዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ። ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፡ ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፡ ጽጉብ ጸጋ እዩ፡ ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ። ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፡ ኣሴር በወዳት ብሩኽ፡ ብሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን። ኣእጋሩ ኸአ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ። መሸጎሪኻ ሓጺንን ኣስራዝን፡ ሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን። ዎ ይሹሩን፡ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሔ ኣምላኽ ዝመስሎ የልቦን። እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መነብሪኻ እዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ አለዋ፡ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜኻ ስጎጎ፡ ኣጥፍእ፡ ድማ በለ። እስራኤል ብህድኣት ይነብር፡ እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፡ ስማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ። ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማኻ፡ ዋልታ ሓገዝካ፡ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ ጸላእትኻ ኺግዝኡ እዮም፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ። ሙሴ ድማ ካብ ጎልጎል ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጲስጋ ደየበ። ኣግዚኣብሄር ከአ ንብዘላ ሃገር ጊልኣድ ክሳድ ዳን ኣርኣዮ። ብዘላ ንፍታሌምን ሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ብዘላ ምድሪ ይሁዳ ኸአ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ፡ እቲ ደቡብ ድማ፡ እቲ ጎልጎል ለሰ ያሪኮ፡ ከተማ ተምሪ፡ ክሳዕ ጾኣር ኣርእዮ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እታ ንኣብርሃምን፡ ንያስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ እዚኣ እያ፡ ብዓይንኻ ኣርኤኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይተሳገርን በሎ። ሙሴ ባርያእግዚኣብሄር ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተ። ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ቤትጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኸአ ንመቓብሩ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን። ሙሴ ከመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፡ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸየሉ። ኣተን ንሙሴ ዝበኸየለን መዓልታት ሓዘኖም ብእኡ ተወድኣ። ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘነብረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዝዎ። በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፡ ኣብ ገላውኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብር፡ እግዚኣብሄር ዝለአኾ፡ በቲ ኹሉ ናብ ሓይሊ ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኹሎም እስራኤል ዝገብሮ ኹሉ ዓብዩ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዩ፡ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን። በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፡ ኣብ ገላውኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብር፡ እግዚኣብሄር ዝለአኾ፡ በቲ ኹሉ ናብ ሓይሊ ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኹሎም እስራኤል ዝገብሮ ኹሉ ዓብዩ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዩ፡ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን። በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፡ ኣብ ገላውኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብር፡ እግዚኣብሄር ዝለአኾ፡ በቲ ኹሉ ናብ ሓይሊ ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኹሎም እስራኤል ዝገብሮ ኹሉ ዓብዩ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዩ፡ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን። ኮነ ኸአ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣግዚኣኣብሄር ንእያሱ፡ ወዲ ነዌ ኣጋልጋሉ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝገረጸታ ዝበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣሎኹ። ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዩ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዩ ባሕርን ኪኸውን እዩ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን ኣይጥንጥነካንውን። ኣታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮ ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ ትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ኹሉ ሕጊ ንምትግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደአ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ኹሉ ምእንቲ ኪቀንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኮነ ወይን ንጸጋም ኣይተልግስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መስሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይአዘዝኩኻን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከአ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልው፡ ኢልኩም ኣዝዙ። እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸአ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከአ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኩላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድገፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሐይ ዝህበኩም ምስሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከአ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኩላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድገፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሐይ ዝህበኩም ምስሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝአዘዝካና ኹሉ ንገብር፡ ናብ ዝለኣኽካና ዝበለውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብኹሉ እተአዘዝካዮ፡ ንኣኻ ኸአ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን። ዝኾነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንኹሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ። እያሱ ወዴ ነዌ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርአዩ፡ ኢሉ ኽስልዩ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተው፡ ኣብኣውን ሐደሩ። ንንጉስ ያሪኮ ኸአ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ። ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተው ሰባት ንኹላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለአኸ። እታ ሰበይቲ ኸአ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሓብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ እትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን። ኮነ ኸአ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም። ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓብኣቶም። እቶም ሰባት ከአ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸአ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት። ነቶም ሰባት ከአ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ኣሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኹም፡ ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ኹሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸአ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመኸኹ ፈለጥኩ። ነቶም ሰባት ከአ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ኣሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኹም፡ ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ኹሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸአ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመኸኹ ፈለጥኩ። እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከአ ዝነበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸአ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸኸ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቆመትን። ሕጂ ኸአ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ናቦይን ነደይን ነሕወተይን ኣሓተይን፡ ዘለዎም ኩሉ ድማ ብህይወቶም ክትሓድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከአ ሀቡኒ። ሕጂ ኸአ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ናቦይን ነደይን ነሕወተይን ኣሓተይን፡ ዘለዎም ኩሉ ድማ ብህይወቶም ክትሓድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከአ ሀቡኒ። እቶም ሰበኣት ከአ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዝይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ንሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኩ፡ በልዋ። ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መከባብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መከባብያ ትነብር እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም። እቶም ደለይቲ ኸይረኽብኹምሲ ፡ ንኽረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ድለአይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸአ ኣብኡ ስለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም። እቶም ሰባት ከአ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንነጽህ። እንሆ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ኸሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንኹሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትሊ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለው ኢድ ኣንተ ተነከዮ ኸአ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን። ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ ካብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና። ንሳ ኸአ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶም ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብ ኣብቲ መስኮት ኣሰረቶ። ንሳቶም ከአ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸአ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኩሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኽብዎምን ከአ። እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ኹሉ ኸአ ኣዛረብዎ። ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ። ንጽብሒቱ ኸአ ንእያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኩሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሓደሩ። ኮነ ኸአ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሓለፉ፡ ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መአግዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሕለፍኩምን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚአክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቐይርዎ። ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መአግዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሕለፍኩምን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚአክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቐይርዎ። እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ፡ እሞ ተቐደሱ በሎም። እያሱ ኸአ ነቶም ካህናት፡ ታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ። ነቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ከአ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ፡ ኢልካ አዝዞም። እያሱ ኸአ ንደቂ እስራኤል፡ ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ፡ በሎም። እያሱ ድማ በለ፡ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸአ ንኸነኣኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፌሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ እንሆ እቲ ናይ ጐይታ ኹላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሚኸኡም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ። ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓሰ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ኹላ ምድሪ፡ ዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእሃሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቛርጽ፡ ሓደ ኹምራ ኾይኑ ደው ይብል። ኮነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ። እቶም ታቦት ዝጸሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፡ ብኹሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትበሀል ከተማ ሓደ ኹምራ ኾይኑ ቖመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጎልጎል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከአ ፈጺሙ ኣቛረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጸሩ ኻህናት ከአ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኩሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሐለፈ። ኮነ ኸአ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰባኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ በለይቲ እዚኣ እተሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከአ ኣዘዝዎም። ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳሊውዎም ዝነበረ ጸውዖም። እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርድኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከአ፡ ብቑጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኮብኩም ኣልዕሉ። እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቅኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፡ ኢሎም ምስ ዚጥይቕኹም፡ ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ኣሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘልኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም። ደቂ እስራኤል ከአ ከምቲ እያሱ ዝአዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቑጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማኣከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ ኣምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዚሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ኣንበርዎ። እያሱ ድማ ኣብ ማኣከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቖማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቖመ። ክሳዕ ሎሚ ኸአ ኣብአ ኣሎ። እቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ንዝህቢ ኺነግር ዝአዘዞ ኹሉ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝአዘዞ ኹሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዘጾሩ ኽህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ደው በሉ። እቶም ህዝቢ ኸአ ቀልጢፎም ተሳገሩ። ኮነ ድማ፡ ኩሉ ኣቲ ህዝቢ ጠሪሱ ምስ ተሳገሩ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከአ ምስቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገረ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ኣጽዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኣጽዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጎልጎል ያሪኮ ኺዋግኡ ተሳገሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚብሄር ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እስራኤል ኣዕበዮ። ከምቲ ንሙሴ ብኹሉ መዓልትታት ህይወቱ ዚፈርህዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ ኸአ ፈሪህዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ። እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ኮነ ኸአ፡ እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ደይቦም፡ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑጽ ምስ ረገጸ፡ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ገምገሙ ወሐዘ። እቶም ህዝቢ ድማ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ ኻብ ዮርዳኖስ ደየቡ፡ ብወሰን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጊልጋል ከአ ሰፈሩ። እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቖሞ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም። ኮነ ኸአ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት ኣሞራውያንን እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን፡ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እንሳገሮ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ ኣይተረፈቶምን። በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ፡ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ፡ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም በሎ። እያሱ ድማ በሊሕ ጽልጽለ ኣንጺሉ፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኩርባ ዓራሎት ገዘሮም። እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ፡ ተባዕትዮ ዘበለ ኹሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወኢጺኦምሲ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ። እቶም ዝወጹ ህዝብስ ኩሎም ግዙራት ነይሮም፡ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ እተወልዱ ኹሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ። ደቂ እስራኤል፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ፡ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ክሳዕ ዚውጽኡ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ንኣና ኺህበና ነቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ከየርእዮም መሐለ። ነቶም ኣብ ክንዳኦም ዘተንስኦም ደቆም ከአ፡ ኣብ መገዲ ስለ ዘይተሳገሩ፡ ዕልቦታት ነበሩ እሞ፡ እያሲ ገዘሮም። ኮነ ኸአ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ገዘሮም ምስ ፈጸሙ፡ ክሳዕ ዚሐውዩ፡ ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ሰፈር ተቐመጡ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣንካራሮኽዎ፡ በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸአ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል ይብሀል አሎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣብ ጎልጎል ያሪኮ ፋስጋ ገበሩ። ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ እኽሊ እታ ምድሪ፡ ቅጫን ቆሎን ስርናይን በልዑ። እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ ንጽብሒቱ እቲ ማና ኣቛረጾ፡ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ኸነኣን በልዑ እምበር፡ ድሕሪኡስ ማና ኣይነበሮምን። ኮነ ኸአ፡ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኾሎ፡ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረአየ፡ እንሆ ድማ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸአ ናብኡ ኸይዱ፡ ንስኻ ናትናሶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ደአ፡ ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ በለ። እያሱ ኸአ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ፡ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፡ በለ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ኣስእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ በሎ። እያሱ ኸአ ከምኡ ገበረ። ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኣኤል ተዐጽያን ተሽጉራን ነበረት። ዚወጽእ ኮነ፡ ዚአቱ ኮነ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ርኤ ያሪኮን ንጉሳን ኣቶም ሓያልት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ። ኩልኺም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኸቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋ። ሹዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ። ሾብዓተ ኻህናት ከአ ቀቅድሚ ታቦት ኮኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሶብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኩሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መከባብያ እታ ኸተማ ኸአ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኺድይብ እዩ። ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ ታቦት ኪዳን ውሰዱ፡ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ በሎም። ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ ሰልፈኛ ዘበለ ኸአ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ በሎም። ኮነ ኸአ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከአ ድድሕሪኦም ይከይድ ነበረ። እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ። እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከአ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ ዝብለኩም መዓልቲ ሽዑ ኣውክዑ ኢሉ ኣዘዞም። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከአ ኣብቲ ሰፈር ሓደሩ። ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ እቶም ካህናት ከአ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ። እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸአ ቀቅድሚኦም ከደ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለው ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ። በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሹዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ። ኮነ ኸአ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፡ ሽብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። ኮነ ኸአ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ። እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ኹሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለው ኹሎምን ብህይወት ይትረፉ። ሓንትስ ንስኻትኩም ከአ ምስ ሓረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ። ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኮነ ኸአ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ ኣተው፡ ነታ ኸተማ ድማ ሐዝዋ። ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸአ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቆልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይ በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም። እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተው እሞ፡ ከምቲ ዝመሓለኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ኹሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም። እቶም ኣጉባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ነቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ኹሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ኣቐመጥዎም። ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ኹሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንኹሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸአ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነበር ኣላ። በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበኹሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጊታታ ድማ በቲ ዝነአሰ ወዱ የቑም። እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሔ። ደቂ እስራኤል ግና ኣብቲ ሕሩም ነገር ኣበሳ ኣበሱ። ካብ ነገድ ይሁዳ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብቲ እተሐርመ ወሰደ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ። እያሱ ድማ ካብ ያሪኮ ብምብራቕ ቤትኤል ኣብ ጥቓ ቤትኣዌን ዘላ ዓይ ሰባት ሰደደ፡ ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰባት ከአ ደይቦም ንዓይ ሰለይዋ። ናብ እያሱ ተመሊሶም ድማ፡ ኩሉ ህዝቢ ኣይደይብ፡ ሒደት እዮም እሞ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ናብኣ ኣይተድክሞ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ደኣ ይደይብ፡ ንዓይ ከአ ይውቅዕዋ፡ በልዎ። ካብቲ ህዝቢ ድማ ሰለሰተ ሽሕ ዝአክል ሰብ ናብኣ ደየበ። ግናኸ ካብ ቅድሚ እቶም ሰብ ዓይ ሀደሙ። እቶም ሰብዓይ ካብኦም ኣስታት ሰላሳን ሹዱሽተን ሰብ ቀተሉ፡ ካብ ደገ ኽሳዕ ሰባሪም ሰጎጉዎም፡ ኣብቲ ቑልቁለት ድማ ወቕዕዎ። ሽዑ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከአ ኾነ። እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም፡ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። እያሱ ድማ በለ፡ ኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኢድ ኣሞራውያንን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ደአ ነዚ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ዘሳገርካዮ፡ ኣየ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እንተ ንቕመጥ፡ ግዳ ምፈቶና። ወይለይ ጐይታይ፡ እስራኤል ዝባኑ ናብ ገጽ ጸላእቱ ኻብ መለሰ፡ እንታይ ክብል እየ፡ ከነኣናውያንን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎምን፡ ኪሰምዑ እዮም እሞ ኪኸቡና፡ ስምና ድማ ካብ ምድሪ ኼጽንቱ እዮም። ነቲ ዓብዩ ስምካ ደአ እንታይ ክትገብር ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ተንስእ፡ ስለምንታይ ከምዚ ብገጽካ ትድፉእ፡ እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፡ እቲ ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ከአ ኣፍረሱ፡ ካብቲ ሕሩም ወሰዱ ሰረቑ ኸአ፡ ሐሰው ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣቕሓውን ኣንበርዎ። ስለዚ ደቂ እስራኤል ተሓሪሞም እዮም እሞ፡ ዝባኖም ናብ ገጽ ጸላእቶም ይመልሱ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይኽእሉን። ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም እንተ ዘየጥፋእኩም ኣነ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ። ተንስእ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ቀድሶም፡ በሎምውን ንጽባሕ ተቐደሱ። እግዚብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ሕርሚ ኣብ ማእከልካ ኣሎ፡ ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። ጽባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ነገድ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ዓሌት ድማ፡ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወሰዶ ማይ ቤት ከአ፡ በብሰባኣይ ይቕረብ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ሕርሚ እተረኽቦ፡ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፡ ኣብ እስራኤል ከአ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ዘለዎ ኹሉን ብሓዊ ይንደድ። እያሱ ኸአ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ድማ በብነገዱ ኣቕረቦ እሞ ነገድ ይሁዳ ተወስደ። ንዓሌታት ይሁዳ ኸአ ኣቕረቦም እሞ ዓሌት ዜራሓውያን ወሰደ። ንዓሌት ዜራሓውያን ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ዛብዲ ተወስደ። ንማይ ቤቱ ኸአ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተወሰደ። እያሱ ድማ ንኣካን፡ ወደይ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ኣይትሕባኣለይ፡ በሎ። ኣካን ድማ ንእያሱ መሊሱ በሎ፡ ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዝን ከምዝን ገበርኩ፡ ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚኣቲ ሲቃልን ብሪርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን ምስ ራኤኩ፡ ሽዑ ተመኔኽዎ እሞ ውሰድክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ማእከል ድንኳነይ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ፡ ተሓቢኡ ኣሎ። ሽዑ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ናብቲ ድንኳን ከአ ጎየዩ፡ እንሆ ድማ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢሹ፡ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ። ካብ ማእከል እቲ ድንኳን ወሲዶም፡ ናብ እያሱን ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤልን ኣምጺኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ። ሽዑ እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ንኣካን ውዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን ነወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ኹሉን ወሲዶም፡ ናብ ጋግ ዓኮር ኣደየብዎ። እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካና፡ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኼሸግረካ እዩ፡ በለ። ኩሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተሎም ከአ ብሓዊ ኣንደድዎም። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዩ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ረስኒ ኹራኡ ተመለሰ። ስለዚ ኸአ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ጋግ ዓኮር ይበሀል ኣሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድ፡ ተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብ። ርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓደይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ። ከምቲ ንያሪኮን ንጉሳን ዝገበርካዮ፡ ንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻ፡ ጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ። እያሱ ኸአ ምስ ኩሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰደዶም። ከምዚ ኢሉ ኸአ ኣዘዞም፡ ርአዩ፡ ነታ ኸተማ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላ፡ ካብቲ ኸተማ አዚኹም ኣይትርሐቑ። ኹሉኹም ከአ እተዳሎኹም ኩኑ። ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ኹሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቀባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። ሽዑ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ ኣለው፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡና፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሐዝዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኩስዋ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩ። እንሆ፡ ናብቲ ዚድብቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን፡ ከይዶም ከአ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡ። እያሱ ግና ብታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረ። ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቖጺሩ ኸአ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ናብ ዓይ ደየበ። ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቖጺሩ ኸአ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ናብ ዓይ ደየበ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበ፡ ቀሪቦም ከአ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦም፡ ብሰሜን ዓይ ሰፈሩ ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከአ ለሰ ነበረ። ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ኹሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፡ እያሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ። ኮነ ኸአ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየ፡ ሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡን፡ ብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቶ ጎልጎል ወጹ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለው ግና ኣይፈለጠን ነበረ። እያሱን ብዘለው እስራኤልን ከአ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩ፡ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ። ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኹሎም ህዝቢ፡ ኪሰጉዎም ብኣውያት ተአከቡ፡ ንእያሱ ድማ ሰጎጎዎ፡ ካብታ ኽተማ ኸአ ተሳሕቡ። ኣብ ዓይን ኣብ ቤትኤልን ደድሕሪ እስራኤል ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ዘሎ ኹናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ በሎ። እያሱ ኸአ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ኹናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ ቀልጢፎም ካብ ስፍርኦም ተንስኡ እሞ ጎይዮም ናብታ ኸተማ ኣተው ሐዝዋ ኸአ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኮስዋ። እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸአ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ኾነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀድሙ ህዝቢ ኸኣአ ናብቶም ሰጎጎቶም ኣቢሎም ተመልሱ። እያሱን ብዘለው እስራኤልን፡ እቶም ደቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩ፡ ተመልሱ ኣሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም። እቲኣቶም ከአ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከአ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኮነ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑን፡ ቀተልዎም። ንንጉስ ዓይ ከአ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ። ኮነ ኸአ፡ እስራኤል ነቶም ኩሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጉዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጎዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረኻ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚውድኡ ኸአ ኹሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዕ ብዘለው እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ኹሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኩሎም ሰብ ዓይ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኮኑ። እያሱ ድማ ብዘለው ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ኹናት ዝዘርግሔት ኢድ ኣይመለሳን። እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ። እያሱ ኸአ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ከአ ዑና ኹምራ ዘለኣለም ገበራ። ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፡ ጸሐይ ምስ ዐረበት ከአ፡ እያሱ ነቲ ሬስኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ አዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ኦሚ ዘሎ ዓብዩ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባይ መሰውኢ ሰርሓሉ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝአዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸአ ተጽሒፉ ዘሎ፡ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፡ ሓጺን ዘይተንከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸአ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ። ድማ ኩሉ እስራኤልን ዓበይቱን መኳንንቱን ፈረዱን፡ ጓና ኸም ወዲ ዓዲ፡ ንታቦት በዝን በተን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞ፡ ፍሮም ብሸነኽ ከረን ዔባን ቆሙ። ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ኹሉ ኣንበቦ። ካብቲ ሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ኣያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን። ኮነ ኸአ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቁላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዩ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዚነብሩ ኹሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተአኪቦም ተሰማምዑ። ሰብ ጊብዓ ከአ እያሱ እቲ ኣብ ያሪኮን ኣብ ዓይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ድማ ተንኮል ገበሩ፡ ከም ልኡኻት መሲሎም፡ ኣረገውቲ ዓያብትን ቅዱድን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ድማ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም፡ ኣረጊት እትለገበ ኣሳእን ከአ ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፡ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። ኩሉ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ። ናብ እያሱ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ከይዶም ከአ፡ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምሳና ኺዳን እተው፡ በልዎም። ሰብ እስራኤል ከአ ንሃዋውያን፡ ምናልባሽ ኣብ ማእከልና ትነብሩ ኸይትኾኑ፡ ከምይ ጌርና ምሳኻትኩም ኪዳን ክንአቱ፡ በልዎም። ንእያሱ ኸአ፡ ንሕና ገላውኻ ኢና፡ በልዎ። እያሱ ድማ እንታዎት ኢኹም ካበይከ መጺእኩም፡ በሎም። ንሳቶም ከአ በልዎ፡ ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ኹሉን ሰሚዕና እሞ፡ ገላውኻ ምእንቲ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና። እቲ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦንን፡ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ዝገበሮ ኹሉ ድማ ሰሚዕና። እቶም ዓበይትን ኣብ ሀግርና ዚነብሩ ኹሎም ከምዚ ኢሎም ተዛረቡና፡ ስንቂ ንመገዲ ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ ክትቀባበልዎም ድማ ኪዱ። ንሕና ገላውኹም ኢና፡ ሕጂ ኸአ ኪዳን እተውልና፡ በልዎም። እዚ እንጌራና በታ ናባኻትኩም ክንከይድ ዝወጻእናላ መዓልቲ ካብ ኣባይትና ብውዑዩ ሰነቕናዮ፡ ሕጂ ግና እንሆ፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን እዩ። እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸአ ብሓደስቱ ዝመላእናዮ፡ እንሆ ተቐዲዱ፡ እዚ ኽዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ካብ ምንዋሕ መገዲ በልዩ። ሽዑ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ከአ ኣይጠየቑን። እያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ኪሓድጎም ከአ ኪዳን አተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሐሉሎም። ኮነ ኸአ፡ ምሳታቶም ኪዳን ምስ ኣተው፡ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጎረቤቶም ምዃኖም፡ ኣብ ማእከሎም እኳ ደአ ኸም ዚነብሩ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ከአ ነቒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ። እተን ከተማታቶም ከአ ጊብዖንን ከፊራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን እየን። ግናኸ ደቂ እስራኤል ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎሙሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ ኣብቶም ሹማምቲ ኣጉረምረሙ። እቶም ሹማምቲ ኹሎም ድማ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኣኤል ምሒልናሎም ኢና፡ ሕጂ ኸአ ክንትንክዮም ኣይንኽእልን። ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ፡ ከምዚ ግዳ ንግበሮም፡ ብህይወት ንሕደጎም፡ በልዎ። እቶም ሹማምቲ፡ ብህይወት ይንበሩ በልዎም። ግናኸ፡ ከምቲ ሹማምቲ ዝበልዎም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ቑረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ኮኑ። እያሱ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ኣብ ማእከልና ኽነስኹምሲ፡ ንሕና ኻባኹም ኣዚና ርሑቓት ኢና፡ ብምባልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፡ ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፡ ባርነት ከአ ካባኻትኩም ኣይለቀቕን። ንቤት ኣምላኸይ ቖረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ክትኮኑ ኢኹም፡ ኢሉ ተዛረቦም። ንሳቶም ድማ ንእያሱ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሙሴ ባርያኡ ብዘላ ምድሪ እዚኣ ኺህበኩም፡ ኣብዛ ሃገር እዚ ገበርና። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣብ ኢድካ ኢና፡ ንኣና ኽትገብሮ ጽቡቕን ቅኑዕን መሲሉ እተራእየካ ግበር፡ ኢሎም መለሱሉ። ከምኡ ከአ ገበሮም፡ ካብ ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣናገፎም፡ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን። እያሱ ኸአ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቖረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ገብሮም። ኮነ ኸአ፡ ኣዶኒ ጸዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይን ከም ዝሓዛን ፈጺሙ ኸም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንጉሳን ዝገብሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳንን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዐርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከአ ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዔ፡ ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኤረ ኻብ ዓይን እኳ ትዐቢ ነበረት፡ ኩሎም ሰባውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ አዝዮም ፈርሁ። ስለዚ ኣዶኒጼዴቅ ንጉስ ዮርሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኢሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ፡ ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዐሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ፡ በሎም። ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያንን፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኩሎም ሰራዊቶምን ተአኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩ፡ ተዋግእዋ ኸአ። ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኹሎም ናባና ተአኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይትድከም፡ ቀልጢፍካ ናባና ደይብ፡ ኣድሕነናን ርድኣናን፡ በልዎ። ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኹሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸአ ምስኡ ኻብ ጊልፋል ደየቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ በሎ፡ በሎ። እያሱ ኸአ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድነገት ሓደጋ ወዲቖም። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከአ ብዓብዩ መውቃዕቲ ወቕዕዎ፡ ብመገዲ ዓቐበት ቤትሖርን ሰጎጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከአ ወቕዖም። ኮነ ኸአ፡ ካብ እስራኤል ሀዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን ከለው ኽሳዕ ዓዜቃ ዚበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎም፡ ሞቱ ኸአ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ። ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣምራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን። ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቁመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቑመት፡ ንምዕራብ ከአ ኣይቀለጠፈትን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲአ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ። እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሀዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ። ንእያሱ ኸአ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓልቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ። እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰብ ከአ ግበሩ። ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ስጎጉዎም። ነቶም ዳሕሮት ከአ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ኪአትው ኣይትሕደግዎም። ኮነ ኸአ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዩ ስዕረት፡ ክሳዕ ዚውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዐርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሀደሙ ድማ ናብተን እተዐርዳ ኸተማታት ምስ ኣተው፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ናብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሃሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ቅብ ኣፍ በዓልቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም፡ በለ። ከማኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ንጉስ ዮርሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም። ኮነ ኸአ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንኹሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ፡ በሎም። ቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ። እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግእዎም ኹሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን፡ በሎም። ድሕርዚ እይሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎም፡ ክሳዕ ምሸት ከአ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዐሉ። ኮነ ኸአ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ። እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሐዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከአ ብስሕለት ሴፍ ወቕዔ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ። እያሱ ኩሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሐለፈ፡ ንሊብና ኸአ ተዋግኣ። እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸይተረፈ፡ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንን ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ። እያሱ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሐለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ። እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀባ፡ ብኻልኣይ መዓልቲ ሒዛ፡ ከምቲ ኹሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ከአ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፡ እያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፡ ሐደ እኳ ኸይተረፈ ቀተለ። እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከአ ምስኡ ካብ ላክሽ ናብ ዔግሎን ሐለፈ፡ ኣብ መንጽር ሰፊሮም ከአ ተዋግእዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ኹሉ ንላኪሽ ዝገበራ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፡ ተዋግእዋ ኸአ። ሐዝዋ ድማ፡ ንእኣን ንንጉሳን ንኹለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ኹሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮ፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም። እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰ፡ ተዋግኣ ኸአ። ንእኣን ንንጉሳን ንኹለን ከተማታታን ሐዘ፡ ብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከአ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከአ ከምኡ ገበረ። በዚ ኸምዚ እያሱ ንኹላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቁላን ጎቦታትን ኩሎም ነገስታቶምን ቀተሎም፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞ፡ ትንፋስ ንዘለዎ ኹሉ ፈጺሙ ኣጥፍኤ። ከምኡ ድማ እያሱ ኻብ ቃዴስባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንኹላ ሃገር ጎሴን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኩሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሐዘ። ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ። ኮነ ኸአ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፡ ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጎልጎልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቁላን ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት፡ ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለአኸ። ንሳቶምን ኩሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን ወጹ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኩሎም ከአ ተአከቡ ምስ እስራኤል ኪዋጉ መጺኦም ድማ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣነ ንኹሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህ፡ ኣፍሪሶም ክትቅንጅብ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ፡ በሎ። እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸአ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡ፡ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሀቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ዲዶን፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ክሳዕ ሚስረፎትማይም ድማ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጽጳ ሰጎጉዎም። ሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም። እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ። ሓጾር ድማ ነዘን ኩለን መንግስትታት እዚኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማኤን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ጊዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሐዛ፡ ንጉሳ ኸአ ሰየፎ። ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቕዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ። እያሱ ድማ ንኹለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንኹሎም ነገስታተንን ሐዘ፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸአ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኩርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን። ኩሉ ምርኮ እዘን ከተማታት እዚኤንን ማልን ደቂ እስራኣኤል ንርእሶም ማረኽዎ። ንኹሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዜጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡ እያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሐደገን። እያሱ ኸአ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኩሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጎሴንን ቁላን ጎልጎልን ኣኽራን እስራኤልን ቁላኡን ሐዘ። ካብቲ ናብ ስዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጎልጎል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ንኹሎም ነገስታቶም ሐዘ፡ ወቒዑ ድማ ቀተሎም። እያሱ ምስ እዞም ኩሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግኤ። ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዐርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንኹለን ተዋጊኦም ሓዝወን። ምእንቲ ፈጺሙ ኼጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ምእንቲ ኼጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኮነ። በታ ጊዜ እቲኣ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን፡ ካብ ዓናብ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም። ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ። ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ኹሉ፡ ንብሃገራ ሐዛ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሀቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት። እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዐርዎም እም ምድሮም ከአ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ፡ ካብ ርባ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኹሉ ጎልጎል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ኻብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዐሮ ዔር፡ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን እተዳውብ ርባ ያቦቅ ዚገዝእ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን። ድማ እቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጎልጎል ክሳዕ ባሕሪ ጎልጎል፡ ንሱ ኸአ ንባሕሪ ጨው፡ ናብ መገዲ ቤት የሲሞት፡ ንደቡብ ድማ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ። ድም ዶብ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ንሱ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኣኤድሬዒን ዚቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ። ንሱ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ብዘሎ ባሳንን ክሳዕ ዶብ ገሹራውያንን ማዓካውያንን ኣብ ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ዶብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ይገዝእ ነበረ። ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄርን ደቂ እስራኤልን ወቕዕዎም፡ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ድማ እታ ምድሮም ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ሀቦም። እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፡ ኣብ ጎልጎል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ስዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ዝነበሩ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ዝወቕዕዎም ነገስታት ኣብ ሃገር እዚኣቶም እዮም። እያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ ንርስቲ ሀቦም፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቁላን ኣብ ጎልጎልን ኣብ ጎቦታትን ኣብ በረኻን ኣብ ደቡብን ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ከነኣናውያን፡ ፈረዛውያን፡ ሃዋውያን፡ ይቡሳውያን ድማ፡ ንጉስ ያሪኮ ሓደ፡ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤትኤል ዘላ ዓይ ሓደ፡ ንጉስ ዮርሳሌም ሓደ፡ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፡ ንጉስ ያርሙት ሓደ፡ ንጉስ ላኪሽ ሓደ፡ ንጉስ ዔግሎን ሓደ፡ ንጉስ ጌዘር ሓደ፡ ንጉስ ደቢር ሓደ፡ ንጉስ ጌደር ሓደ፡ ንጉስ ሖርማ ሓደ፡ ንጉስ ዓራድ ሓደ፡ ንጉስ ሊብና ሓደ፡ ንጉስ ዓዱላም ሓደ፡ ንጉስ ማቄዳ ሓደ፡ ንጉስ ቤትኤል ሓደ፡ ንጉስ ታጵኣ ሓደ፡ ንጉስ ሔፌር ሓደ፡ ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፡ ንጉስ ላሻሮን ሓደ፡ ንጉስ ማዶን ሓደ፡ ንጉስ ሓጾር ሓደ፡ ኑስ ሺምሮንሜሮን ሓደ፡ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፡ ንጉስ ታዓናክ ሓደ፡ ንጉስ መጊዶ ሓደ፡ ንጉስ ቀደሽ ሓደ፡ ንጉስ ዮቅነዓም ኣብ ቀርሜሎስ ሓደ፡ ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ሓደ፡ ንጉስ ጎየም ኣብ ጊልጋል ሓደ፡ ንጉስ ቲርጻ ሓደ። ኩሎም ሰላስን ሓደን ነገስታት እዮም። እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከአ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሓዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ ኣላ። እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸአ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጎደቦታት ፍልስጥኤማውይን ኩሎም ጌሹራውያንን፡ ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከአ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቑጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ጋዛውያን ኣሽዶዳውያን፡ ኣስቀሎናውያን፡ ጋታውያን፡ ዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡ ብደቡብ ኩሉ ምድሪ ኸነኣናውያን፡ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን ክሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን፡ ድማ ምድሪ ጌበላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዜእቱ፡ ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዩም ዚነብሩ ኹሎም ብዘለው ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ኣካፍሎም። እምበአር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ። ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሀቦም ርስቶም ተቐበሉ፡ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸአ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን፡ ድማ ኹለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ፡ ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ፡ ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም። ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ ኣለው። ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ አይሀቦምን፡ ርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ እምበአርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሀቦም። ዶቦም ከአ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዐሮዔርን ካብቲ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ድማ፡ ሔስቦንን እተን ኣብ ጎልጎል ዘለዋ ኹለን ከተማታታን፡ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፡ ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፡ ቂርያታዮምን ሲብማን እታ ኣብታ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬትሻሓር ድማ፡ ቤትጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንን፡ ቤትየሺሞትን፡ ኩለን ከተማታት ጎልጎልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያን፡ ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም፡ ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ። ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም፡ ከተማታትን ዓድታትን እዚ እዩ። ንንገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሀቦም። ዶቦም ከአ ያዕዜርን ኩለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ። ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማትሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከአ ክሳዕ ዶብ ደቢር፡ ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኬትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ክሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረት፡ ስግር ዮርድናኦስ ብምብራቕ። ርስቲ ደቂ ጋድ ከክም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ። ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሀቦም፡ ንሱ ኸአ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኮነ። ዶቦም ከአ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኩለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፡ ስሳ ኸተማታት፡ ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስትሮትን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኮነ። እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብወገን ምብራቕ ንያሪኮ፡ ኣብ ጎልጎል ሞኣብ፡ ሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚአተን እየን። ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሀቦምን። እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝወረስወን፡ እሞ እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን እቶም ርእስታት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘውረስዎም፡ እዚአትን እየን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም። ነቶም ክልተ ነገድን ንፈረቓ ነገድንሲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፡ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሀቦምን። ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ እሞ፡ ንሌዋውያን ግና፡ ብጀካ እተን ዚነበሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን ዚኾና ኸበብተን፡ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሀቦምን። ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ። ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ከአ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ቃዴስባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስባርኔዓ ኺስደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደይቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሰበርዎ። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝስዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለአለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸአ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸአ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ፡ ሃይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሐይለይ ከምኡ ኣሎ። ሕጂ ኸአ፡ ከምቲ፡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሀበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸአ፡ ክሰጎም እየ። እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋኒ መረቖ፡ ኬብሮን ከአ ንርስቲ ሀቦ። ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄነዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝስዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ኾነት። ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያትኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዩ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት። ንነገድ ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም፡ ክሳዕ ዶብ ኤዶም፡ ናብ ወገን ደቡብ ዜብል በረኻ ሲን፡ ክሳዕ ወሰን ደቡብ ዕጭ በጽሖም። እቲ ናይ ደቡብ ዶቦም ድማ ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡ ካብቲ ንደቡብ ዜብል ልሳን ነበረ፡ ንዓቐበት ዓቅራቢም ናብ ደቡብ ወጺኡ፡ ንሲን ከአ ሓሊፉ፡ ንቃዴስባርኔዓ ብደቡብ ደዩቡ፡ ንሓጽሮን ሓለፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ ናብ ቃርቃዕ ኣቢሉ ኸአ ይዘውር። ንዓጽሞን ኣቢሉ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ርባ ግብጺ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከአ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ምብራቕ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ፡ ናይ ሸነኽ ሰሜን ዶብ ድማ ካብ ልሳብ ባሕሪ ኣብ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ። እታ ዶብ ከአ ንቤትሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤትዓራባ ይሐልፍ፡ እቲ ዶብ ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ። እቲ ዶብ ከአ ካብ ለሰ ዓኮር ናብ ደቢር ይድይብ፡ ከምኡ ኸአ ናብ ሰሜን፡ ንጊልጋል ኣቢሉውን ይጥምት፡ ንሱ ኸአ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ርባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፡ እቲ ዶብ ድማ ንማይ ዔንሽመሽ ይሐልፍ፡ ናብ ዔንሮጌል ይወጽእ። እቲ ዶብውን በቲ ለሰ ወዲ ሂኖም ገይሩ፡ ናብ ጸግዒ ደቡብ እታ ይቡሳዊ፡ ንሳ ኸኣአ ዮርሳሌም ይድይብ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ረፋይም፡ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰሂኖም ዘሎ ኸረን ይድይብ። ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ከአ እቲ ዶብ ናብ ዓይኑ ማይ ነፍቶኣ ይሓልፍ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮንውን ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ በዓላ፡ ንሳ ቂርያትየዓሪም፡ ይዘውር። ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ዶብ ንኸረን ስዒር ይዘውር፡ ናብ ሰሜናይ ጸግዒ ኸረን የዓሪም ከአ ይሓልፍ፡ ንሱ ኽሳሎን እዩ፡ ንቤትሽመሽ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሐልፍ። እቲ ዶብ ከአ ብሰሜን ጸግዒ ዔቅሮን ይወጽእ። እቲ ዶብውን ናብ ሲክሮን ኣቢሉ ይዘውር፡ ብኸረን በዓላ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ያብንኤል ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። እቲ ናይ ምዕራብ ዶብ ድማ ዓብዩ ባሕርን ዶቡን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ። ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይሱ ዝአዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሀቦ፡ ቂርያትኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ። ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡ ንሽሻይን ንኣሂማንን ንታልማይን፡ ወለዶ ዓናቅ፡ ካብኣ ኣውጽኦም ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዝነብሩ ደየበ። ስም ደቢር ከአ ቀደም ቂርያትሴፈር ነበረ። ካሌብ ድማ ነቲ ንቂርያትሴፈር ተዋጊኡ ዝሐዛ፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮና ኽህባ እየ፡ በለ። ሽዑ ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ሓው ካሌብ፡ ሐዛ እሞ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ። ኮነ ኸአ፡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኽረቶ፡ ካብ ኣድጋ ኸአ ወረደት። ካሌብ ድማ፡ እንታይ ዃንካ፡ በላ። ንሳ ኸአ፡ በረኸት ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ከአ ሀበኒ፡ በከት። ንሱ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኑ ማያትን ሀባ። ርስቲ ነገድ ደቂ ዩዳ ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ብወገን ደቡብ ናብ ዶብ ኤዶም ዜብላ ወሰኖት ከተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፡ እዚኣተን እየን፡ ቃብጽኤልን ዔደርን ያጉርን፡ ቄናን ዲሞናን ዓድዓዳን፡ ሓጾርሓዳታን ቄሪዮት ሔጽሮንን፡ ንሳ ሓጾር እያ፡ ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡ ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡ ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡ ሓጻርጋዳን ሔሽሞን ቤትጰለጥን፡ በዓላን ዒዮምን ዓጸምን፡ ኤልቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡ ኤልቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡ ጺቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፡ ልቦኦትን ሺልሂምን ዓዩንን ሪሞንን ኩለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማ ምስ ዓድታተን። ኣብ ቄላ፡ ኤሽታኦልን ጾርዓን ኣሽናን፡ ዛኖኣን ዔንጋኒምን ታጱኣን ዔናምን፡ ያርሙትን ዓዱላምን ሶኮን ዓዜቃን፡ ሻዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን፡ ዓስረተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ጽናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፡ ዲልዓንን ሚጽጴን ዮቅትኤልን፡ ላኪሽን ቦጽቃትን ዔግሎንን፡ ካቦንን ላሕማስን ኪትሊሽን፡ ግዳሮትን ቤትዳጎንን ናዓምን ማቄዳን፡ ዓስርተው ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ሊብናን ዔተርን ዓሻንን፡ ዩፍታሕን ኣሽናን ንጺብን፡ ቅዒላን ኣኽዚብን ማሬሻን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ዔቅሮን ምስ ከተማታታን ዓድታትን። ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋ ኹለን ምስ ዓድታተን። ኣሽዶድ ምስ ከተማታታን ዓድታታን። ጋዛ ምስ ከተማታታን ዓድታታን ክሳዕ ርባ ግብጽን ክሳዕ ዓብዩ ባሕርን ዶቡን። ኣብ ከረን ድማ፡ ሻሚርን ያቲርን ሶኮን፡ ዳናን ቂርያትሳናን፡ ንሳ ደቢር እያ፡ ዓናብን ኤሽትሞን ዓኒምን፡ ጎሼንን ሖሎንን ጊሎን፡ ዓሰርተው ሓደ ኸተማ ምድ ዓድታተን። ኣራብን ዱማን ኤሽዓንን፡ ያኑምን ቤታታጱኣን ኣፌቃን፡ ሑምታን ቂርያትኣርባን፡ ንሳ ኼብሮን እያ፡ ጺዖርን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ማዖንን ካርሜልን ዚፍን ዩጣን፡ ይዝርኤን ዩቅድዓምን ዛኖኣን፡ ቃዩንን ጊብዓን ቲምናን፡ ዓሰርተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ሓልሑልን ቤትጹርን ግዶርን፡ ማዓራትን ቤትዓኖትን ኤልትቆንን፡ ሹዱሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ቂርያትበዓል፡ ንሳ ቂርያትይዓሪም እያ፡ ራባውን፡ ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ኣብ በረኻ ቤትዓራባን ሚዲንን ስካካን፡ ኒብሻንን ዒርሃመላሕን ዔንጌዲን፡ ሹዱሽተ ከተማ ምስ ዓድታተን። ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ይሁዳ ኼውጽእዎም ኣይከአሉን። ስለዚ ይቡሳውያን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ዮርሳሌም ይነብሩ ኣለው። እቲ ዕጭ ደቂ ዮሴፍ ድማ ካብ ዮርዳኖስ ጥቓ ያሪኮ ብወገን ምብራቑ ንማይ ያሪኮ፡ ካብ ያሪኮ ድማ በቲ ናብ ከረን ቤትኤል ዜደይብ በረኻ ወጸሎም። ካ ቤትኤል ናብ ሉዝ መጺኡ ኸአ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሐልፍ። ብምዕራብ ከአ ናብ ዶብ ያፍላጣውያን ክሳዕ ዶብ ታሕታይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዘርን ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይወጽእ። ደቂ ዮሴፍ፡ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ። ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ ዶብ ርስቶም ብምብራቕ ዓጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕላይ ቤትሖሮን እዩ። እቲ ዶብ ብወገን ምዕራብ ከአ ንሰሜን ሚክመታት ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ታኣናትሺሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ያኖእ ይሐልፍ። ካብ ያኖእ ኸአ ናብ ዓጣሮትን ናብ ናዓራን ይወርድ፡ ናብ ያሪኮ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ። ካብ ታጵኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቅና ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ምናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኩለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚአተን እየን። ካብ ታጵኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቅና ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ምናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኩለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚአተን እየን። ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዚነብሩ ኸነአናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለው፡ ገባሮም ከአ ኮኑ። ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በኹሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በኹሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ፡ ተውጋኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ኾነ። ነቶም ዝተረፉ ደቂ ማናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ እስራኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን፡ ተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ማሕላ ኖዓ፡ ሖግላ ሚልካ ቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዴ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበን፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ማእከል ሐወቦታተን ርስቲ ሀበን። እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከአ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኽነት። እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከአ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኽነት። ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኮነ። እቲ ዶብ ከአ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔንታጱኣ ዚነብሩ ይሐልፍ። ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ኾነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጷኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት። እቲ ዶብ ከአ ናብ ርባቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽንሰን፡ ንኤፍሬም ኮና። ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸአ ይወጽእ። ደቡብ ንኤፍሬም፡ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፡ ዶቡ ኸአ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ ዶብ ኸአ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከአ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ። ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፡ ቤት ሽኣንን ዓድታታን ዩብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ሰለስቲኤን በረኸት ንምናሴ ኾነ። ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚኤን ኬውእዎም ኣይከአሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ቖረጹ። ኮነ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሐየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጎግዎምን። ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ በሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሓደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሀብካኒ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። እያሱ ኸአ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ኾንካ እሞ ከረን ኤፍሬም ኣንተ ደአ ጸበበካ፡ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸአ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም። ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይአኸለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዚነብሩ ኸነኣናውያንን፡ እቶም ኣብ ቤትሸኣንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኾነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዚነብሩ ኾነ ኹላቶም ሰረገላታት ሓጺን ኣለዎም፡ በሉ። እያሱ ኸአ ንቤት፡ ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዩ ሓይሊውን ኣሎካ፡ ሓደ ዕጭ ትራይ ኣይኾነልካ፡ እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ኪኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከአ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ኾኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከአ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝአትሎም። ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ። እያሱ ኸአ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መአዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡ ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸአ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ። ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ኸአ ይምቀልዋ: ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶርም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ። ነታ ምድሪ ኸአ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም። እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብልኩምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለው። እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸአ ነቶም ነታ ምድሪ ኽጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሓፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸአ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ አዘዞም። እቶም ሰባት ከአ ኸይዶም በታ ሃገር ሓለፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸአ ናብ እያሱ መጹ። እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም። ንንገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶን ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከአ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም። እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከአ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዩቡ ናብ በረኻ ቤትኣዌን ይወጽእ። ካብኡ ኸአ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡባዊ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸአ ቤትኤል፡ ይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤትሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ። እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቬትሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያትበዓል፡ ንሳ ኸአ ቂርያትያዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ። ብወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያትየዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከአ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከአ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸአ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔንሮጌል ከአ ይወርድ። ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔንሽመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸአ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሓሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ። እቲ ዶብ ከአ ብጸግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ። ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤትሖግላን ኤሜቅቀጺጽን፡ ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤትሖግላን ኤሜቅቀጺጽን፡ ቤትዓራባን ጸማራዮምን ቤትኤልን፡ ዓዊምን ጳራን ጵፕፍራን፡ ኬፋርዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ጊብዖን ራማን ብኤሮትን፡ ሚጽጴን ኬፈራን ሞጻን፡ ሬቀምን ዮርጴኤልን ታራኣላን፡ ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸአ ዮርሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ። እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፡ ንነግድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከአ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ። ኣብ ርስቶም ዝኾና ኸአ፡ ብኤርሸባዕን ሸባን ሞላዳን፡ ሓጻርሹዓልን ባላን ዓጸምን፡ ኤልቶላድን በቱልን ሖርማን፡ ጺቅላግን ቤትማርኮባትን ሓጻርሱሳን፡ ቤትለባኦትን ሻሩሔንን፡ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን፡ ዓዩንን ሪሞንን ዔትርን ዓሻንን፡ ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓላትብኤር፡ ንሳ ኸአ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ኹለን ዓድታት። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ። ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ይሁዳ ኾነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ። እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ከአ ክሳዕ ሳሪድ እዩ። ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዩቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ። ካብ ሳሪድ ከአ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። ካብኣ ኸአ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፈርን ናብ ዒታቃጺንን ይሐልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ። እቲ ዶብ ድማ ንእአ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከአ ይወጽእ። ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዩድኣላን ቤትልሄምን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን። እቲ ራብዓይ ዕጭ ይሳኮር፡ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶቦም ድማ ናይ ይዝርኤልን ኬሱሌትን ሹነምን ይበጽሕ። ናብ ሓፍራዮምን ሺኦንን ኣናሓራትን፡ ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን፡ ሬመትን ዔንጋኒምን ዔንሓዳን ቤትጳጼጽን። እቲ ዶብ ከአ ናብ ታቦርን ሻሃጺማን ቤትሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ፡ ዓሰርተው ሹዱሽተ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን። እቲ ሓምሳይ ዕጭ ከአ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡ ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከአ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበጽሕ። ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤት ዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔመቅን ነዒኤልን በጺሑ፡ ብጸጋም ካቡል ይወጽእ። ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ። እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዐርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ሓሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ። ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብን፡ ዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን። እቲ ሳድሳይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓርኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቄብን ያብኔኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ። እቲ ዶብ ድማ ንሞራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖትታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸአ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ። እተን እተዐርዳ ኸተማታት ድማ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን፡ ኣዳማን ራማን ሓጾርን፡ ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔንሓጾርን፡ ዪርኣንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሽመሽን፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን። እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ድማ ጸርዓን ኣኤሽታኦልን ዔርሽመሽን፡ ሻዓሊቢንን ኣያሎንን ዮትላን፡ ኤሎንን ቲምናታን ዒቅሮንን፡ ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን፡ ይሁድን በነራቅን ጋትሪሞንን፡ መያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ። እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንሌሼም ተዋጊኦም ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ከአ ኣጥፍእዋ፡ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሓሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከአ። ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምድ ዓድታተን። ነታ ምድሪ በብዶብ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሀብዎ። ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ፡ ቲምናትሴራ ሀብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ። እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዊውን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኮይኖም፡ ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ። ምምቃል እታ ምድሪ ኸአ ወድኡ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቆቢ ኪኾኖኹም እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቆቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን። ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቆቢ ኪኾኖኹም እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቆቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን። ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸአ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ ኣታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ። ነቲ ብጻዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጎጎ፡ ነቲ ዝቐተላ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ። ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ። እምበኣርሲ ኣብ ጊሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸአ ቂርያትኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ። ካብ ነገድ ሮቤል ከአ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ ኣታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጎልጎል ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ። እተን ንኹሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ ኪሀድመለይ እተመደበ ኸተማታት እዚኣተን እየን። እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀሪቦም። ንሕና እንነብረለይ ከተማታትን እቲ ኸባቢኤን ድማ ንማልና ዚኸውን ኪህቡና፡ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ኣዚዙ እዩ። ኢሎም ኣብ ምድሪ ኸነአን ኣብ ሺሎ ተዛረብዎም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ሀብዎም። ንዓሌታት ቀሃታውያን ከአ ዕጭ ወጸሎም፡ ነቶም ካብ ሌዋውያን ዝነብሩ ደቂ ካህን ኣሮን ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦናውያንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም። ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ በጽሖም። ንደቂ ጌርሾን ከአ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳክርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፍረቕ ነገድ ምናሴን ኣብ ባሳን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም። ንደቂ መራር ኽከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ክብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ብጽሖም። ደቂ እስራኤል ከአ፡ ከምቲ እግዝኣብሄር ቢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ብዕጭ ህብዎም። ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ድማ እዘን ብስመን እተሰምያ ኸተማታት ሀቡ። ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ዓሌታት ቀሃትውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፡ ቀዳማይ ጭ ናቶም ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ኮነ። ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ቂርያትኣርባ ኣቦ ዓናቅ ንሳ ኸአ ኬብሮን ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣ ሀብዎም። ግርብ እታ ኸተማን ኣቑሻታን ግና ንካሌብ ወይ ንፋነ ርስቲ ሀብው። ንደቂ ኻህን ኣሮን ከአ እታ ኸተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ኬብሮን ምስ ከባቢኣን ልብና ምስ ከባቢአን ሀብዎም። ያቲር ምስ ከባቢኣን ኤሽትሞዓ ምስ ከባብኣን፡ ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡ ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡ ካብ ነገድ ብንያም ድማ ጊብዖን ምስ ከባቢኣን ጌባዕ ምስ ከባቢኣን፡ ዓናቶት ምስ ከባቢኣን ዓልሞን ከአ ምስ ከባቢአን፡ ኣርባዕተ ኽተማ። ኩለን ከተምታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት መምስ ከባቢኤን። ነቶም ዓሌታት ደቅ ቅሃት ሌዋውያን፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት፡ ድማ ከተምታት ዖም ካብ ነገድ ኤፍሬም ዘላ ኸተማ መዕቆቢ ቀታሊ፡ ሴኬም ምስ ከባቢአን ጌዘር ምስ ከባቢኣን፡ ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም። ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም። ካብ ነገድ ዳን ከአ ኤልትቂ ምስ ከባቢኣን ጊብቶን ድማ ምስ ከባቢኣን፡ ኣያሎን ምስ ከብቢእን ግጋሪሞን ከአ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። ካብ ፈረኣ ነገድ ምናሲ ታዓናክ ምስ ከባቢኣን ጋትሪሞንውን ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ። ናይትም ካብ ደቂ ቀሃት ዝተረፉ ዓሌታት ኩለን ከተማታት መምስ ከባቢኤን ዓሰርተ እየን። ነቶም ክብ ዓልታት ሌዋውያን ደቂ ጌርሽን ከአ ካብ ፈረኣ ነገድ ምንሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ኸተማ ምዕቆቢ ቀታሊ፡ ግላን ምስ ከባቢኣን ቤዓሽትራ ምስ ከባቢኣን፡ ክልት ኸተማ። ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂሽዮን ምስ ከባቢኣን ዳብራት ምስ ከባቢኣን፡ ያርሙት ምስ ከባቢኣን ዔንጋኒም ምስ ከባቢኣን ኣርባዕተ ኸተማ። ካብ ነገድ ኣሴር ከአ ሚሽኣል ምስ ከባቢኣን ዓብዶን ምስ ከባቢኣን፡ ሔልቃት ምስ ከባቢኣን ሬሖብ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ኽተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊል ምስ ከባቢኣን ሓሞትዶር ምስ ከባቢኣን ቃርታን ምስ ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኸተማ። ኩለን ከተምታት ጌሮናውያን ከከም ዓሊቶን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ መምስ ከባቢኤን ሀብዎም። ነቶም ዝተረፉ ሌውውያን፡ ዓሌታት ደቂ መራሪ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ድማ ዩቅነዓም ምስ ከባቢኣን ቃርታ ምስ ከባቢኣን፡ ዲምና ምስ ከባቢኣን ናሃላይ ምስ ከባቢኣን ናሃላል ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኽተማ። ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቢጸር ምስ ከባቢኣን ያህጻ ምስ ከባቢኣን፡ ቄዴሞት ምስ ከባቢኣን ሜፋዓት ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። ክካ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኸተም መዕቅብ ቀታሊ፡ ራሞት ኣብ ጊልዕድ ምስ ከባቢኣን ማሃናይም ምስ ከባቢኣን፡ ሔስብን ምስ ከባቢኣን ያዕዜር ምስ ከባቢኣን፡ ኩለን ኣርባዕተ ኸተማ። ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ናይቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ መራር ኸከም ዓሌቶም እየን፡ ዕጮም ክአ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ እየን። እተን ኣብ ማእክከ ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ኹልለ ከተማታት ሌዋውያን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማ መምስ ከባቢኤን እየን። እዘን ከተማታት እዚኤን ነንኸተማ ኣብ ዙርያእ ኸባብ ነበራ፡ ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ከምእ ነበረን። እግዚኣብሄር ከአ እታ ነቦታትም ኪህቦም ዝመኣለሎም ኩላ ምድር ንደቂ እስራኢኤ ህቦም። ወሪሶም ከአ ተቐመጥዋ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኹሉ ነቦታቶም ዝመሐለሎም ብኹሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። ካብ ኩሎም ጸላእቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣይበለን፡ እግዚኣብሄር ኩሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሀቦም። ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛርቦ ኽሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣየውደቐን፡ ኩሉ ደእ ተፈጸመ። ሽዑ እያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውይያን ንፈረቓ ነገድ ምንሴን ጸውዖም፡ ብሎም ድማ፡ ንሳትኩም እት ሙሴ ባርያ እግዚኣብህር ዝአዘዘኩም ኩሉ ሓሊኽም ኢኹም፡ እቲ ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ቓለይውን ሰማዕኩም። ንስኻትኩም በዘን ብዙሕሓ መዓልትታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚእ ነሕዋትኩም ኣያድግኩምዎምን፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ናይ ትእዛዙ ነገር ደአ ሓሎኹም። ሕጂ ድማ እግዚኣብሂር ኣምላኽኩም ነዋትኩም ከምቲ እተዛረብም ኣዕርፍዎም እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትክም ናብቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሀበኩም፡ ናብ ምድሪ ርስትኽም ኪድ። ሓንትስ እቲ ሙሴ ባርይ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩል፡ ንእግዝዚብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብኹሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልው፡ ናብኡውን ክትልግብ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ከአ ከተገልግልዎ፡ ኣዚኹም ተጠንቀቕ። እያሱ ድማ መሪቑ ኣፋነዎም፡ ንና ድንካናቶም ከአ ከዱ። ንፈረቕ ነገድ ምናሴ ሙሴ ኣብ ብሳን ርስት ሂብዎ ነበረ። ነት ፈረቓኡ ኸአ እያሱ ኣብ ስግር ይዮዳኖስ፡ ኣብ ወገን ምዕርራ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሀቦም። እያሱ ንና ድንኳናቶም ኪሰዶም ክሎ መረቕም፡ ምስ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ኣዝዩ ብዝሕ ማል ድማ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ኣስራዝን ምስ ሓጽንን ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲውን ንና ድንኳናትክም ተመለሱ፡ ንቲ ምርኮ ጸላትኽም ከአ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቕልው፡ ኢሉ ድማ ተዛረቦም። ደቂ ሮቤልን ደቂ ግድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም ናብ ምድር ጊልዓድ፡ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሲ እተረስተይዋ ምድሪ ርስቶም ኪኸዱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ነቐሉ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ኸነኣን ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ፡ ዓብዩ ርኡዩ መሰውኢ ሰርሑ። እቶም ደቂ እስራኤል ከአ፡ እንሆ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ምድሪ ኸነኣን፡ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም ኣለው፡ ኪብሉ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪድይቡ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣብ ሺሎ ተአከበ። ደቂ እስራኤል ከአ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለአኽዎ። ምስኡ ድማ ናይ ኩሎም ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ሹም፡ ሓሓደ ሹም ንማይ ቤት ኣቦ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት እስራኤል ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ሓላቑ ነበሩ። ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብታ ምድሪ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡ ብዘሎ ኣኼባ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንእግዚኣብሄር ክትዐልው ንኣኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕኩምሲ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዛ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩምዎ በደል እንታይ እዩ፡ እቲ ሓጢኣት ጴዖር ክሳዕ ሎሚ ኻብኡ ዘይነጻህናሉ እሞ ኣብ ኣኼባ እግዚኣብሄር ምዓት ዝወረደዶ ኣይአኽለናን እዩ፡ ሎሚ ድማ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ተመሊስኩም፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ብምዕላውኩም ጽባሕ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቖጥዖ እዩ። እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ርኽስቲ እንተ ኾነት ግና፡ ናብቲ ማሕደር እግዚኣብሄር ሰፈራታ ዘላ ምድሪ ርስቲ እግዚኣብሄር ሕለፉ እሞ ኣብ ማእከልና ተረስተዩ፡ ብጀካ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕኩም ንእግዚኣብሄር ኣይትዕለው፡ ንኣናውን ኣይትዕለውና። ዓካን ወዲ ዜራሕ ኣብቲ እተሐርመዶ በደል ኣይበደለን፡ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ድማ መዓት ወረደ፡ በቲ በደሉ ኸአ እቲ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣይሞተን። ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ነቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል መሊሶም ተዛረብዎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንሱ ይፈልጦ ኣሎ፡ እስራኤልውን ንሱ ኽፈልጦ እዩ፡ ነዚ ብበደልን ንእግዚኣብሄር ብምዕላውን እንተ ጌርናዮስ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣይተድሕነና፡ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰሪሕናሲ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኹም፡ ኪብልዎም እዮም ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምሮ። ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰሪሕናሲ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኹም፡ ኪብልዎም እዮም ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምሮ። ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን እግዚኣብሄር ንኣናን ንኣኻትኩምን ዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ እሞ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ኢሎም ደቅኹም ንደቅና ምፍራህ እግዚኣብሄር ከም ዚሐድጉ ይገብርዎም። ስለዚ ንዳሕራይ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩን ምእንቲ ኽይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኸነገልግሎ ንኣና መሰውኢ ኽነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ብድሕሬና ኸአ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን ኢልና ደአ ኢና። ስለዚ ንዳሕራይ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩን ምእንቲ ኽይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኸነገልግሎ ንኣና መሰውኢ ኽነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ብድሕሬና ኸአ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን ኢልና ደአ ኢና። ስለዚ ንዳሕራዩ ንኣናን ንወለዶናን ከምዚ ምስ ዚብሉ ነቲ ኣቦትታና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ርአዩ፡ ንሱ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ደአ ምስክር እዩ፡ ንብሎም በልና። ንሕናስ ብጀካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፡ ካብ እግዚእብሄር ምዕላውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምምላስንሲ ኻባና ይርሐቕ። ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ኣኼባን እቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም። ፊንሃስ ወይ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ እዚ በደል እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና ኸም ዘሎ፡ ሎሚ ፈሊጥና፡ ሕጂ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም በሎም። ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን፡ እቶም ሹማምትን ካብ ደቂ ሮቤልን ካብ ደቂ ጋድን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመልሱ፡ እቲ ነገሩ ድማ መለሱሎም። እቲ ነገሩ ኸአ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ኮይኑ ተራኣዮም እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ድሕርቲ ኸአ፡ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዚነብርዋ ምድሪ ኼጥፍእዋ፡ ኽንዋጋእ ንደይቦም፡ ኢሎም ኣይተዛረቡን። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ፡ ነቲ መሰውኢ፡ ዔድ ኢሎም ሰመይዎ። ከመይሲ፡ ንሱ እግዚኣብሄርስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ በሉ። ኮነ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ኹሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም፡ እያሱን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡ ንብዘለው እስራኤል፡ ንዓበይቶምን ንሓለቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም ኣነ ኣሪገ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ተዋጊኢልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኩሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ኹሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። ርአዩ ነዞም ተሪፎም ዘለው ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፍእክምዎ ኹሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እታ ዓብዩ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም ካብ ቅድሜኹም ከአ ኪሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረብኩም ድማ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኹሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸአ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ። ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለው ህዝብታት እዚኣቶም ከይትአትው፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ። እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይቲ ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጉግዎም እዩ እሞ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን። እግዚኣብሄር ኣምላኹም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪስጎም እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለው። ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም ምሳታቶም ድማ ኣንተ ተዋሰብኩም ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተው፡ ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ጽቡቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኮልን መጻወድያን ንጎድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከአ እሾኽ ኪኾነኹም ኣዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም ብርግጽ ፍለጡ። እንሆ ኸአ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ኹላ ዓለም እኸይድ ኣሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ኹሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኩሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኩሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀብኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም። እያሱ ድማ ንኹሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ከአ ጸዎዖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከአ ቐረቡ። እያሱ ድማ ብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቐመጡ ነበሩ፡ ንኻልኣት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ። ነቦኹም ኣብርሃም ከአ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኩሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕኩም ዘርኡውን ኣብዛሕኩም ይስሃቅ ከአ ሀብክዎ። ይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤስዋን ሀብክዎ። ንኤሳው ከአ ከረን ስዔር ኪርትስያ ሀብክዎ። ንያእቆብን ንደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ። ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸአ ንግብጺ ከምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ፡ ወቓዕክዎ፡ ድሕርቲ ድማ ኣውጻእክዎም፡ ናብ ባሕሪ ድማ በጻሕኩም። እቶም ግብጻውያን ከአ ነቦታትኩም ብሰረገላታት በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰጎግዎም። ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ኸአ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖምል። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸአ፡ ኣዒንትኹም ርእየነኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም። ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ኸአ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖምል። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸአ፡ ኣዒንትኹም ርእየነኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም። ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእቶኹኩም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም ኣነ ኸአ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም፡ ምድሮም ድማ ወረስኩም ካብ ቅድሜኹም ኣጥፋእክዎም። ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፡ ንበለዓም ወጺ ጴዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመኩም ልኢኹ ጸውዖ። ኣነ ግና ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈቶኹን፡ ስለዚ ንጉስ ኣጸቢቑ ደአ ባረኸኩም፡ ካብ ኢዱ ኸአ ኣድሓንኩኹም። ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም እሞ፡ ሰብ ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ድማ ተዋግኡኹም፡ ኣነ ኸአ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም። ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያንን ድማ ኣብ ቅድሜኹም ዝሰጎጎም ዕኮት ኣብ ቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር ብሴፍካን ብቐስትኻን ኣይኮነን፡ ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታት ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከአ ትነብሩ ኣሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ ኣሎኹም። ሕጂ ኸአ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ ብፍጹምና ብእምነትን ኣገልግልዎ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ። ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኮይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል። ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተአምራት እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ኹሎም ህዝብታትን ዝሐለውና ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኣሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻላኦት ኣምላኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሓቕ። ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተአምራት እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ኹሎም ህዝብታትን ዝሐለውና ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኣሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻላኦት ኣምላኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሓቕ። እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ኩሎም ነቶም ኣብዛ: ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸአ ንእግዚኣብሄር ነገልግሎ። እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ በለ፡ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ ንሱ ኸአ ቀናእ ኣምላኽ እዩ፡ ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን ኣይሓድገልኩምን እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኣይትኽእሉን፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ድማ እንተ ኣገልግለልኩም፡ ንሱ ድሕርቲ ጽቡቕ ምስ ገበረልኩም ከአ መሊሱ ኽፉእ ኪገብረኩምን ኪውድኣኩምን እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ኣይፋልናን፡ ንእግዚኣብሄር ደአ ነገልግል፡ በለ። እያሱ ኸአ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኢልኩም ከም ዝሓሬኹምዎ ንስኻትኩም ንርእስኹም ምስክር ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ምስክር ኢኹም በልም። እምበአር ሕጅስ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለው ጓኖት ኣማልኽቲ ኣግልስዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ንእያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል ቃሉ ኸአ ንሰምዕ በልዎ። እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ሕግን ፍርድን ከአ ኣብ ሴኬም ኣቖመሉ። እያሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኹሉ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሐፎ። ዓብዩ እምኒ ወሲዱ ኸአ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ድማ ኣቖሞ። እያሱ ድማ ንኹሉ እቲ ህዝቢ፡ እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረበና ኹሉ ቓላት ሰሚዕዎ እዩ ኣሞ፡ ኣባና ምስክር ኪኸውን እዩ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኽይትኽሕዱስ፡ ኣባኻትኩም ምስክር ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ሽዑ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ። ድሕርዚ ነገር እዚ ኸአ ኮነ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብ ዶብ ርስቱ ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናትሲራሕ ድማ ቀበርዎ። እስራኤል ከአ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኩሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣብ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዐደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም። ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ እተዋህበት፡ ኣብ ጊብዓ ቐበርዎ። ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኮነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያንን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብ፡ ኢሎም ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ከአ፡ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ በለ። ይሁዳ ኸአ ንስምኦን ሓው፡ ምስ ከንኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸአ ናብቲ ብዝሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ። ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እግዚኣብሄር ከአ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ። ንኣዶኒቤዜቅ ከአ ኣብ ቤዜኣ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፡ ንኸንኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከአ ሰዐርዎም። ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሀደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸአ ቆረጽዎ። ኣዶኒቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቖርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መአደን ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ በለ። ናብ ዮርሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸአ ሞተ። ደቂ ይሁዳ ድማ ንዮርሳሌም ተዋግእዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከአ ሓዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ። ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቁላን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ። ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡ ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያትኣርባ ነበረ። ንሽሻይን ንኢሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም። ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዚነብሩ ኸደ። ስም ደቢር ቀደም ቂርያት ሰፈር ነበረ። ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያትሰፈር ወቒዑ ዝሐዛ፡ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ፡ በለ። ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓው ንኻሌብ ሐዛ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ድማ ሀባ። ኮነ ኸአ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸአ ወረደት፡ ካሌብ ድማ እንታይ ኾንኪ ኢኺ በላ። ንሳ ኸአ፡ በረኸት ሀበኒ” ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከአ ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከአ ሀበኒ፡ በለቶ። ካሌብ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ። ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡ። ከይዶም ከአ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ። ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓው ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከአ ኣጥፍእዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ። ይሁዳ ኸአ ንጋዛን ንዶታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔቅሮንን ንዶባታን ድማ ሐዘን። እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነብሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዚኒበሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ኬልቅቖም ኣይከአለን። ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ ኬብሮን ሀብዎ፡ ንሱ ኸአ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም። ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ግና ደቂ ብንያም ኣየልቀቖዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ዮሩሳሌም ኣለው። ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤትኤል ደየቡ፡ እግዚኣብሄር ከአ ምሳታቶም ነበረ። ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤትኤል ሰለይዋ። ስም እታ ኸተማ ኸአ ቀደም ሉዝ ነበረ። እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ። መእተዊ እታ ኸተማ ኸአ ኣርእዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለው ዓሌቱን ግና ይኸዱ ሓደግዎም። እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሔ፡ ስማ ኸእ ሉዝ ሰመያ፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ። ምናሴ ድማ ንቤትሽኣንን ንዓድታትን፡ ንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኸአ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓልም ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደአ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኺነብሩ ቖረጹ። ኾነ ኸአ፡ እስራኤል ምስ በርትዔ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን። ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከአ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ። ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዚነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡ ገባሩ ድማ ኾኑ። ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዚነብሩ ኣየልቀቖምን። ስለ ዘየልቀቖም ከአ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ። ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሽመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤትዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደአ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሽመሽን ኣብ ቤትሽመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤትዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደአ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሽመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዚነብሩ ግና ገባሮም ኮኑ። እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኺወርዱ ኣይሓደግዎምን። ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃርሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ኪቕመጡ ቖረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፡ ገባሩ ድማ ኾነ። ዶብ ኣሞራውያን ከአ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸአ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸአ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳነይ ንዘለአለም ኣየፍርሶን እየ። ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይእተው፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩ፡ ስለዚ ድማ፡ ንጎድንኹም ኩርኳሕ ይኹነኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ መጽሓፍ ይኹኑኹም ኣምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ። ኮነ ኸአ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከአ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገብረሎም ዓብዩ ግብሪ ዝረአዩ ዓባይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከአ ወዲ ሚእትን ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናትሔረስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ። እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተአከቡ ድሕሪኦም ከአ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበልዓልውን ኣገልግሉ። ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓል ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ። ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይከአሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን ናብ ኩሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይስምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶሲ ኣይገብሩን። ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቖዘምዎም እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ እተንስኣሎም፡ ብኹሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸው። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከአ ስለ ዘይሰምዑ። ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታትት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጎጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸአ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸአ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸአ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳነይ ንዘለአለም ኣየፍርሶን እየ። ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይእተው፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩ፡ ስለዚ ድማ፡ ንጎድንኹም ኩርኳሕ ይኹነኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ መጽሓፍ ይኹኑኹም ኣምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ። ኮነ ኸአ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከአ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገብረሎም ዓብዩ ግብሪ ዝረአዩ ዓባይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከአ ወዲ ሚእትን ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናትሔረስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ። እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተአከቡ ድሕሪኦም ከአ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበልዓልውን ኣገልግሉ። ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓል ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ። ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይከአሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን ናብ ኩሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይስምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶሲ ኣይገብሩን። ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቖዘምዎም እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ እተንስኣሎም፡ ብኹሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸው። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከአ ስለ ዘይሰምዑ። ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታትት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጎጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸአ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን። ደቂ እስራኤል፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓለቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣአ ኣብ ሓሮሼት ጎይም ይቕመጥ ነበረ፡ ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። ዴቦራ ድማ፡ ነብዩት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። ንሳ ኸአ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤትኣኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ። ንባራቅ ወዲ ኣበኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሔበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ ካብ ደቂ ንፍታሌም ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጎዐዝ፡ ኢለዶ ኣይአዘዘካን እዩ በለቶ። ንባራቅ ወዲ ኣበኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሔበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ ካብ ደቂ ንፍታሌም ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጎዐዝ፡ ኢለዶ ኣይአዘዘካን እዩ በለቶ። ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከድን፡ በላ። ንሳ ኸአ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከአ ደድሕሪ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት። ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዩባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልቱ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ኽሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጻዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ። ንሲሶራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ። ሽዑ ሲሶራ ንኹሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼትጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ። ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሶራ ኣብ ኢድካ ዚሀበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፡ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸአ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። እግዚኣብሄር ድና ንሲሰራን ንኹሉ ሰረገላታቱን ንኹሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸአ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ። ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ስዒቡ ኽሳዕ ሓሮሼትጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸአ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ያቢን ንጉስ ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ ሀደመ። ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ጐይታይ እቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህ በለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸአ ወንጮ ኸደነቶ። ንሱ ድማ፡ ጽሚኤ እየ እሞ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ በላ። ንሳ ኸአ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውም። ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡ፡ ኣብዚዶ ሰብ ኣሎ፡ ኢሉ እንተ ሓተተኪ፡ የልቦን በሊ በላ። ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኡ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ ቀስ ኢላ ናብኡ ኣተወት፡ ነቲ ሸኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ። ንሱ ኸአ ሞተ። እንሆ ድማ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ በለቶ። ናብኣ ድማ ኣተወ፡ እንሆ ኸአ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢን፡ ንጉስ ከነአን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ። ንያቢን ንጉስ ከነአን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸአ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት። በታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ፡ መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓዱ ስለ ዝወፈየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ሹማምቲ፡ ጽን ብበሉ። ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡ ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ ኣሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ስዒር ምስ ወጻእካ፡ ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡ ደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ። ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡ እዚ ሲና ኸአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ። ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡ ብዘበን ያዔል ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ። ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ኾይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ። ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ኾነ፡ ኹናት ኮነዶ ተርኤ፡ ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ኣቱም ጸዓዲት ኣእድግ እትውጥሑ፡ ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ ኣቱም ሓለፍቲ መገዲውን፡ ብዛዕባኡ ተዛረቡ። ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡ ኣብ መንጎ ጋብላታት፡ ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ። ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ። ተንስኢ፡ ተንስኢ ዲቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ፡ መዝሙር ዘምሪ። ባራቅውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ። ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱ፡ እግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ። ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፡ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካ፡ ሓላቑ ኸአ ካብ ማኪር ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዚምርሑ ወረዱ። ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡ ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጎየዮ። ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ። ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡ ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፡ ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ። ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡ ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠ፡ ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡ ኣብ ወደባቱ ኸአ ሰፈረ። ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡ ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኸት መሮር ከምኡ ገበረ። ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡ ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡ ነገስታት ከነአን ተዋግኡ፡ ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን። ካብ ሰማይ ተዋግኡ፡ ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ። ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም። ዎ ነፍሰይ፡ ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ። ሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡ ሸኻኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ። መልአኽ እግዚኣብሄር፡ ንሜሮዝ ርገምዋ ይብል፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም። ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን። ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ። ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸአ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኩላውን ኣሕለፈቶ። ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከአ በለ እወ፡ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቖልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ። ኣደ ሲሰራ ብመስኮት ጠመተት፡ በቲ ዓይኒርግቢ ኾይና ጨደረት፡ ሰረገላኡ እንታይ ኮይኑ ምምጻእ ደንጎየ፡ መንኮራኹር ሰረገላኡኸ እንታይ ኮይኑ ደሓረ፡ እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡ ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡ ምርኮዶ ኣይረኸቡን፡ ኣይመቐሉንዶኸ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል፡ ክልተ ጓል፡ ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኩሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዓረፈት። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከአ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሀቦም። ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዔት፡ ደቂ እስራኤል ከአ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጎዳጉድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ። ኮነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርኤ፡ ምድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም። ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዜእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ኾነ፡ በጊዕ ኮነት፡ ብዕራይ ኮነ፡ ኣድጊ ኾነ ኣብ እስራኤል ኣይሕደጎን። ንሳቶም ምስ ከብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡ፡ ምብዛሖም ከአ ኣንበጣ ኾይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቁጽሪ ዜብሎም ነበሩ እሞ፡ ኬጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተው። እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረ፡ ደቂ እስራኤል ከአ ናብ እግዚእብሄር ተማህለሉ። ኾነ ኸአ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዩ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚእብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም: ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኹሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጉጎ ምድሮም ሀብኩኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ ኣቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ናይ ዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሓብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽሙቑ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። ብእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዩ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከአ በሎ። ጊደዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደአ እዚ ኹሉ ስለምንታይ ረኸበና፡ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኮነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ኹሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፡ ሕጊ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸአ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደአ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸአ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደአ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ከአ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ሀበኒ፡ መስዋእተይ ኣውጺኤ፡ ናባኻ መጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስ ክጸንሓካ እየ በሎ። ሽዑ ጊደዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭ ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቁራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ። እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከአ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶ፡ በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ። ሽዑ ጊደዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ረአየ። ጊዴዎን ከአ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትመውትን ኢኻ በሎ። ሽዑ ጊዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እግዚኣብሄር ሰላም፡ ኢሉ ኸአ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ። ኮነ ኸአ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ እቲ ኻልኦት ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣስታርተ ኸአ ቆረዞ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸአ በቲ እትቖርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዚሓርር መስዋእቲ ኣዕርጎ። ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላውኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኮነ ኸአ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄ፡ ብለይቲ ገበሮ። ንስብሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸአ ተቖሪጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮ፡ ተባሃሃሉ፡ ሓቲቶም መርሚሮን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ በሎ። ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስ፡ ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቖሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ በልዎ። ዮኣስ ከአ ነቶም ኪቃወምዎም ዝተንስኡ ኹሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም ወይስ ከተድሕንዎዶ ደሊኹም እቲ ኺጣበቐሉ ዚደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሔት ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጎቶ በሎም። ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጎቶ፡ ኢሉ የሩብበዓል ሰመዮ። ሽዑ ኹሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡ፡ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ። ንጊደዎን ከአ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔ፡ ኣቢዔዝራውያን ከአ ተአኪቦም ሰዐብዎ። ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከአ ከቲቶም ሰዐብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ኪቕበልዎም ደየቡ። ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ኾንካስ፡ እንሂ፡ ኣነ እዚ ቁረጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ እኔብር ኣሎኹ። ኩላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸአ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዝዓ እንተ ኾነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ በሎ። ከምኡ ድማ ኾነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸመቔ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸአ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽኤ። ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ ሓንሳእ ጥርይ ክዛረብ፡ ቁጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምባአርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዝዓ ይኹን በሎ። ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ኾነ። የሩብበዓል ንሱ ጊደዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከአ ሰፈሩ። ሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኩርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይሀቦም፡ እስራኤል፡ ኢደይ ኣድሐነትኒ፡ ኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ፡ ፈራህን ተሸበርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድ፡ ኢልካ ኣውጅ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱ፡ ዓሰርተ ሽሕ ከአ ተረፉ። እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህብዚ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ ኣየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝበለካ ዘበለ ኸአ፡ ንሱ ኣይኺድ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህብዚ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ ኣየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝበለካ ዘበለ ኸአ፡ ንሱ ኣይኺድ በሎ። ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴውን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዚሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዚሰቲውን ከምኡ ገብሮ፡ በሎ። ቁጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰትዩ ኸአ ስለስተ ሚእቲ ሰብ ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ኹሎም ህዝቢ ግና ማይ ኪሰትዩ፡ ብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩም እየ፡ ሚድያናውያን ከአ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ኹሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦትኡ ይኺድ በሎ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንኹሎም ሰብ እስራኤል ከአ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። ኮነ ኸአ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። ንስኻ ምውራድ እንተፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ። እቲ ዘዛረብዎ ኽትሰምዕ ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኺጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ። ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኩሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከአ ቁጽሪ ዜብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ። ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እንሆ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ጎጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸአ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ። እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ ኣምበር፡ ካልእ ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ሚድያን ንኹሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ በለ። ኮነ ኸአ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዔ፡ ሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ ኣግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ በለ። ነዞም ስለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኩሎም ከአ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሀቦም። በሎም ድማ፡ ንኣይ ርአዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸአ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገበሮ ግበሩ። ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለው ኹሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ኹሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ። ኣብ መጀምርታ ሐለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዜብዓኛታት ምስ ተለወጡ፡ ጊዴዎን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከአ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ። ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸአ ሰበርዎ፡ ብዘጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከአ፡ ኪነፍሑ፡ መለኸት ሐዙ፡ ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ። ነፍሲወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቖሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጎየየ፡ ጨርሑን ሀደሙን ከአ። ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፡ እግዚኣብሄር ከአ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤልመሖላ ዘላ ጣበት ሀደመ። ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኩሉ ምናሴን ተአከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጎጉዎም። ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሐዘሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ሰብ ኤፍሬም ተአኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። ንኽልቲኦም ሽሙምቲ ሚድያን፡ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቑ ወይኒ ዝኡብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከአ ሰጎጎዎም። ርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ። ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ እቲ ምስ ሚድያን ክትዋግእ ክትከይድ ከሎኻ ዘይጸዋዕካና፡ እዚ ዝገበርካናስ እንታይ ነገሩ እዩ፡ በልዎ። ብሓይሊ ኸአ ተኻራኸርዎ። ንሱ ድማ፡ ክንዲ እቲናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፡ ካብ ምቑራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፊርምዶ ኣይበልጽን፡ ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፡ ሽዑ እዚ ዘረባዚ ምስ ተዛረበ፡ ኹራኦም ሀድኤ። ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባይን ተሳገሩ፡ ደኺሞም ከለው እኳ ይሰጉ ነበሩ። ንሰብ ሱኮት ከአ፡ ኣነ ደድሕሪ ዜባሕን ጸልሙናን፡ ነገስታት ሚድያን፡ እሰጉጉ ኣለኹ፡ እዞም ዚስዕቡኒ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሀብዎም በሎም። እቶም ሹማምቲ ሱኮት ግና፡ ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ በሉ። ጊዴዎን ከአ፡ ግዲ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ንዜባሕን ጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሀበኒ፡ ንስጋኹም ብእሾኹ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ፡ በለ። ካብኡ ናብ ፋኒኤል ደይቡ ኸኣ ንኣታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ፋኑኤል ድማ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ። ንሰብ ፋኑኤል ከአ፡ ብሰላም ምስ ተመለስኩም፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ፡ በሎም። ዜባሕን ጻልሙናን፡ ምሳታቶም ከአ እቶም ካብ ብዘሎ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝተረፈ ሰራዊቶም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ሽሕ ዚኸውን ሰብ ኣብ ቃርቆር ነበሩ፡ እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ነበሩ። ጊደዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ዚነብሩ ደዩቡ፡ ነቲ ኣብ ሰፈር ሀዲኡ ዘሎ ሰራዊት ወቕዖ። ዜባሕን ጻልሙናን ድማ ሀደሙ፡ ንሱ ግና ስዒቡ ሰጎጎም፡ ንኽልቲኦም ነገስታት ሚድያንን፡ ንዜባሕን ጻልሙናን ማረኾም፡ ንብዘሎ ሰራዊትውን ኣሸበሮ። ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ካብ ውግእ፡ ካብ ዓቐበት ሔረስ ተመልሰ። ካብ ሰብ ሱኮት ሓደ መንእሰይ ሒሱ ሐተቶ፡ ንሱ ኸኣአ ናይ ሱኮት ሹማማትን ዓበይትን ሰብዓን ሾብዓተን ሰብ ጸሐፈሉ። ናብ ሰብ ሱኮት መጺኡ ድማ፡ ነቶም ድኹማት ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፡ ኢልኩም ዘባጮኹምለይሲ፡ ዜባሕን ጻልሙናን እነው፡ በሎም። ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ፡ እሾኽ በረኻን ዳንዴርን ድማ ወሲዱ፡ ንሰብ ሱኮት ብእኡ ቐጽዖም። ንግምቢ ፋኑኤልውን ኣፍረሶ፡ ንሰብ እታ ኸተማ ኸአ ቀተሎም። ንዜባሕን ንጻልሙናን ድማ፡ እትም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ በሎም። ንሳቶም ከአ፡ ከማኻ ዝበሉ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ውቃቤኦም ደቂ ንጉስ ይመስሉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸአ፡ ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እምበር እዮም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ብህይወት እንተ ትሐድዎምሲ ኣይምቐተለኩኹምን በለ። ንየተር በኹሪ ወዱ፡ ተንሲኣ ቕተሎም፡ በሎ። እቲ ወዱ ግና፡ ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ ፈሪሁ ሴፉ ኣይመሰተን። ሽዑ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ሰብ ከምቲ ዘለዎ ሓይሉ ድማ ከምኡ እዩ እሞ፡ ንስኻ ግዳ ተንሲእካ ውደቐና በሉ። ጊዴዎን ከአ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፡ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቓቓት ከአ ወሰደ። ሽዑ ሰብ እስራኤል ንጊዴዎን፡ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና፡ በልዎ። ጊዴውን ከአ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምን፡ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፡ እግዚኣብሄር ደአ ኣይግዛእኩም፡ በሎም። ጊዴዎን ድማ፡ ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ሀቡኒ፡ ኢሎም። ንሳቶም እስማኤላውያን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም። ንሳቶም ከአ፡ ተሓጎስና ንህበካ፡ በሉ። ክዳን ድማ ዘርግሑ፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ናብኡ ደርበየ። ብጀካ እቲ ኣብ ነገስታት ሚድያን ዝነበረ ድሪን ኩትሻን ግምጃ ክዳውንትን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፡ እቲ ዝለመኖ ቓላብቲ ወርቂ ሚዛኑ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሲቃል ወርቂ ኾነ። ጊደዎን ድማ ንእኡ ኤፋድ ገይሩ፡ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ። ብዘለው እስራኤል ከአ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ። እዚ ኸኣአ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ኾነ። የሩብበዓል ወዲ ዮሃስ ከአ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ። የሩብበዓል ወዲ ዮሃስ ከአ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ። ጊደዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ሰብዓ እወዳት ነበርዎ። እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ኣቢሜሌክ ኣውጽኣሉ። ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ብጽቡቕ እርግና ሞተ፡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ከአ ተቐብረ። ኮነ ድማ፡ ጊዴዎን ምስ ሞተ፡ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ዘመው፡ ንበዓልበሪት ኣምላኾም ገበርዎ። ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ኹሎም ጸላእቶም ዘድሓኖም ኣግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን። ንቤት የሩብበዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ ከምቲ ንሱ እስራኤል ዝገበረሎም ኩሉ ጽቡቕ ነገርሲ፡ ገለ ሞያ እኳ ኣይገበሩሉን። ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶም ንኹሎም ዓሌት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ በጃኹም ንኹሎም ሰብ፡ ኹሎም ደቂ የሩብበዓል ኪገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሔሸኩም፡ ኣነ ኸአ ዓጽሙኹምን ስጋኹምን ከም ዝኾንኩ ዘክሩ፡ በልዎም። እቶም ኣኮታቱ ኸአ እዚ ነገርዚ ኹሉ ንኹሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ። ካብ ቤት በዓልበሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሀብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸአ ደድሕሪኡ ዚስዕቡ ከንቱታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዐለ። ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሓዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብበዓል፡ ሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎም። ዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብበዓል ግና፡ ተሓቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ። ኩሎም ሰብ ሴኬም ብዘላ ቤት ሚሎን ተኣአከቡ፡ ከይዶም ከአ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ። ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኽረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬም፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ። ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸደ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ። እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፡ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፡ በሎም። እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ወይኒ ኸአ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሕጉስ ወይነይዶ ኽገድፍ ኣእየ በሎም። ሽዑ ኹሎም ኣእዋም ንእሾኹ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ እሾኹ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢኣኩም ኣብ ልዕሌኹም ከተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንየ ዘይኮነስ ድማ፡ ካብቲ እሾኽ ሓዊ ይውጽእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም። ሕጂ ኸአ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎ፡ ንየሩብበዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ ኣንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ኸኣአ እንተ ጌርኩምሉ፡ ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግኤ፡ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሐነኩም። ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ፡ ሓውኩም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ። እምበአርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብበዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ኾንኩም፡ ብአቢሜሌክ ተሐጎሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጉስ። እንተ ዘይኮነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓቂ ይውጽእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከአ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ። ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓው ኣቢሜሌክ ጎይዩ ሀዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብኣ ኸአ ተቐመጠ። ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝኤ። ኣምላክኽ ከአ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዐለውዎ። እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብበዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ደሞም ከአ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከአ ንኹሎም ብእኡ ዚሐልፉ ሰብ መገዲ ይኽትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም ኣተው፡ ሰብ ሰኬም ከአ ብእኡ ተአመኑ። ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩ፡ ወይኖም ቆሪጾም ከአ ጸመቑ፡ ናይ ሓጎስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ። ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዛኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ሴኬም መን እዩ፡ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብበዓል ደይኮነን፡ ንስኽትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዛኦ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዛኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ሴኬም መን እዩ፡ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብበዓል ደይኮነን፡ ንስኽትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዛኦ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዚኸውን መን ምሀበ፡ ንኣቢሜሌክ ምስጎጉክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከአ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእ በሎ። ዜቡል፡ ሹም እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዔ፡ ኩራኡ ነደደ። ናብ ኣቢሜሌክ ከአ ብተንኮል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም ኣትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ ኣለው። ሕጂ ኸአ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ ኣሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸአ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም። ኣቢሜሌክ እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኸዮኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ። ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከአ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስኤ። ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ፡ በሎ። ዜቡል ከአ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዚርአየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ። ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ አሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸአ ብመገዲ ድዋ ጠንቆልቲ ኣቢሉ፡ ይመጽእ ኣሎ። ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደአ ኣፍካ ኣበይ ኣሎ፡ እዚ እቲ ዝነዐቕካዮ ህዝብዶ ኣይኮነን፡ እምበአር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮ፡ በሎ። ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግኤ። ኣቢሜሌክ ግና ሰጎጎ እምሞ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸአ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፡ ዜቡል ከአ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጎጎም። ኮነ ኸአ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸአ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከአ ድቡቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኺወጽእ ምስ ረአየ፡ ተንስኦም ቀተሎም ድማ። ኣቢሜሌክ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጎይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸአ ጎይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበረ ኹሎም ወድእዎም። ኣቢሜሌክ ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቀተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸአ ጨው ዘርኣላ። እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ኹሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤልበሪት ኣተው። ኩሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተአከቡ፡ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቆረጸ፡ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኩቡ ገበሮ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ፡ በሎም። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸአ ነፍሲ ወከፍከምኡ ጨጨንፈሩ ቖረጸ፡ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዲ ኸአ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎ። ኹሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ። ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴብጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሐዛ ኸአ። ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኩሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኩሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሀደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዐጽው፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣአ ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦ፡ ብሓዊ ኼንድዶ ኸአ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲዳ ሰንዲዳ፡ ቀረንቀራኡ ጨፍለቐቶ። ሽዑ ነቲ ጎበዝ ጋሻ ዛግሬኣ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፡ ሴፍካ መሲትካ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጎበዝውን ወግኦ ሞተ ኸአ። እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ። ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ። ኩሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብበዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሔ። ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከአ ቶላ ወዲ ጲኣ፡ ወዲዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮር፡ ንምድሓን እስራኤል ተንስኤ፡ ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ካብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። እስራኤል ከአ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከአ ተቐብረ። ድሕሪኡ ማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ከአ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ። ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸአ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሀላ ኣለዋ። ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከአ ተቕብረ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ዲ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልግለሉ፡ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከአ ሸጦም። ንሳቶም ከአ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዚነብሩ ኹሎም ደቂ እስራኣኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም። እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ቢንያምን ምስ ቤት ኢፍሬምን ኪዋግኡኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ። ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልግሊና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሐንኩኹምን፡ እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም ከአ፡ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእድዎም ኣድሓንኩኹም። ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ። ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደአ ኼድኩም ተማህለሉ። ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኸተድሕነና ንልምነካ ኣሎና እምበር፡ ከምቲ ዚሓይሽ ኮይኑ እተራእየካ ኹሉ ግበረና፡ በልዎ። ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። ነፍሱ ኸአ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት። ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተአኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተአኪቦም ኣብ ሚጽዓ ሰፈሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ዓሞን ኪዋጋእ ዚጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፡ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓ ዝነብሩ ኹሎም ሓላቕ ይኹን ተባሃሀሉ። ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ሓያ ጅግና ነበረ፡ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ። ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸአ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጎጎዎ። ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከአ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸአ ወጹ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸአ ኮነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለው፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱ። ንይፍታሕ ከአ፡ ንዓ ሓላቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእ በልዎ። ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጎጎኩምኒ፡ ሕጂ ደአ እንተ ጸበበኩም ከምይ ናብይ ትመጹ፡ በሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓምን ክትዋጋእ እሞ ንኹልና ሰብ ጊልዓድ ሓላቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስና፡ በልዎ። ይፍታሕ ከአ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ፡ በሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ከም ዘረባኻ እንተ ዘይገብርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ። ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኩሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ። ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፡ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ። እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕ፡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ፡ በሎም። ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ፡ በሎ ኸአ፡ ይፍታሕ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ዓሞንንሲ ኣይወሰደን። እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፡ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ። ሽዑ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ሰዲዱ፡ በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ በሎ። ንጉስ ኤዶም ግና ሕራይ ኣይበሎን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከአ ለአኸ፡ ንሱውን ኣይፈተወን እሞ፡ እስራኤል ኣብ ቃሴድ ተቐመጠ። ሽዑ ብበረኻ ኸይዱ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞረ፡ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መጺኡ ኸአ፡ ኣብ ስግር ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ክንየው ዶብ ሞኣብ ኣይሓለፉን። እስራኤል ከአ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እስራኤል በጃኻ ክሳዕ እታ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈና በሎ። ሲሆን ግና እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይአመኖን እሞ፡ ሲሆን ኩሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኣኤል ድማ ተዋግኤ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከአ ንሲሆንን ንኹሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ሰዐርዎም ድማ፡ ሽዑ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፡ ንብሃገራ ወረስዋ። ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸአ ክሳዕ ዮርዳኖስ፡ ኩሉ ዶብ ኣሞራውያን ወረሱ። ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጉጉዎም እዩ እሞ፡ ንስኻዶ ኽትወርሶም ኢኻ፡ ንስኻስ ከሞሽ ኣምላኽካ ዘውረስካዶ ኣይትወርስን፡ ከምኡ ድማ ንሓና ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጎጎም ዘበሉ ኽንወርስ ኢና። ሕጂ ኸአ ካብ ባላቅ ወዱ ጺጵር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፡ ንሱ ምስ እስራኣኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ፡ እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዓርዔርን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ኹለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደአ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ፡ ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኽፉእ ትገብረኒ ኣሎኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደአ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ። እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለአኸሉ ቓል ኣይሰምዖን። ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ፡ ብጊልዓድ ብምናሴን ኣቢሉ ብምጺጳ ናይ ጊልዓድ ሐለፈ፡ ካብ ሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ከአ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፈ። ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበሉኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ ኣየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ። ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበሉኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ ኣየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ። ሽዑ ይፍታሕ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ናብኦም ገስገሰ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ። ካብ ዔርዔር ክሳዕ ሚኒት እትአቱ፡ ዕስራ ኸተማ፡ ክሳዕ ኣቤልከራሚም ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ሰዐሮም። ደቂ ዓሞን ከአ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተዋረዱ። ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን። ኮነ ኸአ፡ ንእኣ ምስ ረአያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣየ ጓለይ፡፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክምለስ ከአ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ምስቶም ዜናወጹኒ ኾንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣቦየ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ዓሞን ጸላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፡ ንእግዚኣብሄር ከአ ኣግካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒ፡ በለቶ። ነቦኣ ድማ፡ ካብዚ ኸይደ ናብ ኣኽራን ወሪደ ኣነ ምስተን ብጾተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኽየላ፡ እዚ ነገር እዚ ይግበረለይ፡ በለቶ። ኪዲ ኢሉ፡ ክልተ ወርሒ ትኺድ ሓደጋ። ሽዑ ንሳ ምስ ብጾታ ኸይዳ፡ ኣብ ኣኽራን ኮይና ንድንግልናኣ በኸየትላ። ኮነ ኸአ፡ እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልኤ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፡ ከምቲ ተማባጽዕዎ ዝነበረ መብጽዓ ገበራ። ንሳ ድማ ሰብኣይ ከይፈለጠት ነበረት። ኣብ እስራኤል ድማ ስርዓት ኮነ። እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ። ሰብ ኤፍሬም ድማ ተአኪቦም ናብ ሰሜን ሐለፉ። ንይፍታሕ ከአ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሐልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንከይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፡ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነድ ኢና፡ በልዎ። ይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከአ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሐንኩምንን። ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፍኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሀበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ ደየብኩም በሎም። ይፍታሕ ድማ ንኹሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግኤ። ንሳቶም ከአ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሀዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም ይብልዎም ነበሩ፡ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዐርዎም። እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዙሎም። ኮነ ኸአ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬም፡ ኣሕልፋኒ፡ ምስ በሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኢፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸአ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ፡ ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በል በልዎ። ንሱ ኸአ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለ ዘይከአለ፡ ሲቦለት በለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐረድዎ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ። ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ጊልዓድ ከአ ተቐብረ። ድሕሪኡ ኸአ ኣብጻን ብዓል ቤትልሄም ንእስራኤል ፈረደ። ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዐወ፡ ነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተውሎም፡ ንእስራኤል ከአ ሾብዓተ ዓመት ፈረደ። ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤትልሄም ከአ ተቐብረ። ብድሕሪኡ ኸአ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ። ኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረ። ድሕሪኡ ድማ ዕብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ። ንሱ ኸአ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደ። ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከአ ሞተ፡ ኣብ ጴርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሊቃውያን ከአ ተቐብረ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም። ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረ። ሰበይቱ ኸአ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዩ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተተንቀቒ። እንሆ ኸአ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን፡ ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ። ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝኾነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነግረንን። ግናኸ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩሲ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኽውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብልዒ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ። ማኖእ ድማ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቆልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ። ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ: እቲ መልኣኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰምዔ፡ ኣታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጎይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ። ማኖኣ ኸአ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ኣነ እየ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቖልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ኹሉ ትጠንቀቕ። ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከአ ኣይትስተ፡ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዛአዘዝክዋ ኹሉ ትሕሉ፡ በሎ። እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ፡ ስለምንታይ ስመይ እትሐትት፡ ንሱ መንክር እዩ በሎ። ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰብይቱን እናረኣዩ ተኣምራት ገበረ። ኮነ ኸአ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰብይቱን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣን ንሰብይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ። እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቕትለኒ እንተ ዚደልስ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢደና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ኹሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን በለቶ። እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸአ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቖልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። ኣብ መሓነዳን ኣብ መንጎ ጸርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ። ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸአ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ረአየ። ደይቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ እጂ ንእኣ ኣመርዕውኒ፡ ኢሉ ነገሮም። ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደአ ኣምጽኣለይ በሎ። ኣቦኡን ኣዲኣኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጤኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፡ እዚ ኻብኡ ኸም ዝኾነ፡ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ፍልስጤኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎ ነበሩ። ሽዑ ሲምሶንን ኣቡኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከአ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እጃ ዜብሉ ኽንሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኮነ ነዲኡ ኣይነገሮምን። ወሪዱ ኸአ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸአ ኪወስዳ ተመልሰ። ነቲ ግምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። ብእዳው ወሲዱ ኸአ እናበልዔ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሀቦም፡ በልዑ ኸአ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። ኣቡኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰያት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። ኮነ ኸአ፡ ምስ ረአይዎ፡ ምስኡ ዚኾን ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። ሲምሶን ከአ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒ፡ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጥዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ። ክትነግሩኒ እንተ ዘይከአልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ነቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኺነግርዎ ኣይከአሉን። ኮነ ኸአ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰብይቲ ሲምሶን፡ ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ኪነግረና፡ ሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኮይኑስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና፡ ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኮነን፡ በልዋ። ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ኾይና እናበኸየት፡ ጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንን፡ ንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከአ ኣይገለጽካለይን በለቶ፡። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ በላ። ንሳ ኸአ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ኾይና በኸየት። ኮነ ኸአ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም። እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸአ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት፡ ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ንሱ ድማ ብኣርሒይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም በሎም። መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ። ካብኦም ከአ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ዳ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦም። ኩራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸአ ደየበ። እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋሀበት። ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ በዓልቲ ብጊዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ንሰብይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኸአቱ እደሊ ኣሎኹ፡ በለ። ኣቦኣ ግና ኪአቱ ኣይፈቐደልን። ኣቦኣ ኸአ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዕርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደአ ንኣኻ ትኹን በለ። ሲምሶን ከአ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጤኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎም፡ በደል የብለይን በሎም። ሲምሶን ድማ ከይዱ ኸአ። ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸአ ኣብ ማእከል ዘራኣቲ ፍልስጥኤማውያን ፈለወን፡ ቅንጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትኽልትን ኣውልዕን ከአ ነደደ። ሽዑ ፍልስጤኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ በሉ። ሲምሶን፡ ሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊ፡ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሀቦ፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። እቶም ፍልስጤኤማውያን ድማ ደዩቦም፡ ንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም። ሲምሶን ከአ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኺፈድዮኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎ፡ በልም። ኣብ ምሕኩልትናብ ሰለፍን ከአ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖም። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። ሽዑ ፍልስጤኤማውያን ደዩቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸአ ፋሕ በሉ። ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደይብኩም፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ። ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከአ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከአ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደአ ኸይትጎብጡኒ ምሐሉለይ በሎም። ንሳቶም ከአ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደአ ናብ ኢዶም ከነሕልፈልካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸአ፡ እቶም ፍልስጥኤምዋያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኣኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከአ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኮነ። እቲ መእሰሪኡ ኸአ ካብ ኣእዳው መኸኸ። ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸአ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። ሲምሶን ከአ ብምንጋጋ ኣድጊ ሓደ ኹምራ፡ ኤረ ኽልተ ኹምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ። ኮነ ኸአ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ሰመያ። ንሱ ኸአ ኣዝዩ ጸምኤ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዩ ምድሓ እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ፡ ሕጂ ኸአ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ። ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ፡ ሓወየ ኸአ። ስለዚ ስማ ዔንሀቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኸሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ አላ። ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ። ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸአ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ አተወ። ንሰብ ጋዛ፡ ሲምሶን ናብዚ ኣትዩ፡ በልዎም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸአ ምሉእ ለይቲ ድቡቕ ኣንበሩሉ። እንሆ ምስ በርሄ ኽንቅትሎ ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ። ሲምሶን ከአ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጎሪኡን ሒዙ መንቆሶ፡ ኣብ መንኩቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ። ድሕርዚ ኸአ ኾነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዩቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከምይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዩ ሐይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዩ ሓባብልዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና በልዋ። ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ እዚ ዓብዩ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፡ ክትምለኽሲ ኸምይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ። ሲምሶን ድማ፡ ብሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከአ እኸውን በላ። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን ኣምጽኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ። ኣብ ሕልፍኝኣ ድቡቓት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ፡ ሲምሶን ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ ሓዊ ዘጨነዎ ፈትሊ ኸም ዚምናህ፡ ምንህንህ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈልጠን። ደሊላ ኸአ ንሲምሶን፡ እንሆ ኣላጊጽካለይ ሓሶት ድማ ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ገለ ዕዮ ብዘይ ተዐየሉ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሲሞስን ብእኡ ኣሰረቶ። ሲምሶን ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ በለቶ። እቶም ድቡቓት ከአ ኣብቲ ሕልፍኚ ነበሩ። ካብ ቀላጽሙ ድማ ከም ፈትሊ በተኾ። ደሊላ ኸእ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደአ ንገርኒ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ አለምክዮ በላ። ደሊላ ኸእ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደአ ንገርኒ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ አለምክዮ በላ። ኣብ ሽኻል ኣሲራቶ ድማ ንሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሸኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቆሶ። ንሳ ኸአ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክንሱ ደአ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ፡ ስለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዩ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን፡ በለቶ፡ ኮነ ኸአ፡ ኩሉ መዓልቲ ብዘረባ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት። ኩሉ ልቡ ኸአ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሐለፈን፡ ስለዚ ኣንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኩሉ ሰብ ከአ እኸውን፡ በላ። ደሊላ ድማ ኩላ ልቡ ኸአ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤምውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ። ንሳ ኸአ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸአ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ። ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዛት፡ ፍንሕንሒለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሐሰበ። እቶም ፍልስጤኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጎጥጎጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣሰራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከአ ይጥሕን ነበረ። እቲ ጸጉሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቁል ጀመረ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከአ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ኪሕጎስን ተአከቡ። እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርባ ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወሰድዎ። ኮነ ኸአ፡ ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከአ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኮይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከአ ደው ኣበልዎ። ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቖልዓ፡ ነቲ ንቤት ጸይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ፡ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከአ ኩሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሕቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዘርእዮ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰብይትን ነበሩ። ሲምሶን ከአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ በጃኻ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዩምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ በኢት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸአ ብጸጋሙ ሐዞ። ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት በለ። ብሓይሊ ኸአ ተጎበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እብኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐለቶም ከአ ብሞቱ ዝቐተሎም ምውታት በዝሑ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለው ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞምዎ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓንን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ። ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸአ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በለቶ። ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። እዲኡ ድማ እዚ ብሩርዚ ንወደይ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸአ ክመልሰልካ እየ በለቶ። ንሱ ኸአ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸአ ንእኡ እተጸርመ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ። እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ አፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸአ ኻህኑ ኪኸውን ቀደሶ። በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወክፍ ቅኑዕ ኮይኑ እተራእዩ ገበረ። ኣብ ቤትልሄምይሁዳ ኻብ ዓለኢት ይሁዳ ሐደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸአ ኣብኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤትልሄምይሁዳ ኸደ። መገዱ ኺኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ። ሚካ ኸአ፡ ካባይ መጺእካ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኻብ ቤትልሄምይሁዳ ሌዋዊ እዩ፡ ኣነ ኣብ ዝረኽብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ በሎ። ሚካ ኸአ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ። እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከአ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ። ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከአ ካህኑ ኾኑ። ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ። ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩም፡ በለ። በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፡ እቶም ነገድ ዳን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይበጽሖምን ነበረ እሞ፡ በቲ ዘበን እቲ ዚነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ። ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፡ ምድሪ ኺስልዩን ኪምርምሩን፡ ካብ ዓሌቶም ካብ ብዘሎ ፍቕዶም፡ ሓሙሽተ ሰብኣይ፡ ሓያላት ሰባት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ሰዲዶም ድማ ኬድኩም ነታ ምድሪ መርመርዋ፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ ናብ ከረን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ፡ ኣብኣዉን ሓደሩ። ንሳቶም ኣብ ቤት ሚካ ኸለው፡ ድምጺ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ አለለይዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም መን ናብዚ ኣምጽኣካ፡ ኣብዚኸ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ ኣብዝስ እንታይ ኣሎኳ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገበረለይ፡ ንሱ ኣሕዲሩኒ፡ ኣነ ኸአ ኻህን ኮንክዎ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ እዛ ንሕና እንኸዳ ዘሎና መገዲ እትቐንዓና እንተ ኾይና ኽንፈልጥሲ በጃኻ ንኣምላኽ ጠይቐልና በልዎ። እቲ ኻህን ድማ፡ እዛ እትኸድዋ ዘሎኹም መገዲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡ ብሰላም ኪዱ፡ በሎም። እቶም ሓሙሽተ ሰብኣይ ከዱ ኣብ ላይሽ ድማ ኣተው፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ተአሚኑ ኸም ስርዓት ሲዶናውን ብህድኣትን ብእምነትን ከም ዚቕመጥ ረእዩ። ኣብታ ሃገር ከአ ገለ ኽፉእ ዚገብሮም በዓል ስልጣን ኣይነበረን፡ ንሳቶም ካብ ሶዶናውያን ርሑቓት ነበሩ፡ ምስ ገለ ሰብ እኳ ነገር ኣይነበሮምን። ናብ ጾርዓን ኤሽታዖልን ከአ፡ ናብ ኣሕዋቶም መጹ፡ እቶም ኣሕዋቶም ድማ፡ እንታይ ተውርዩልና በልዎም። ንሳቶም ከአ፡ ነታ ሃገርና ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፡ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጉዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም ናብ ተኣሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትኣትው ኢኹም። እታ ሃገር ከአ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ነገር ዘይጎድላ ቦታ እያ፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ፡ ነታ ሃገርና ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፡ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጉዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም ናብ ተኣሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትኣትው ኢኹም። እታ ሃገር ከአ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ነገር ዘይጎድላ ቦታ እያ፡ በልዎም። ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሹዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ውግእ ተዐጢቖም ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ነቐሉ። ደይቦም ከአ ኣብ ቅርያትየዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትበሀል ኣላ። እንሃ፡ ኣብ ድሕሪ ቅርያትየዓሪም ኣላ። ካብኣ ንኸረን ኤፍሬም ሐሊፎም፡ ናብ ቤት እቲ ኣብ ቤት ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ። እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ነታ ሃገር ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ኻህን ምስቶም ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ደይቦም ናብኣ ኣትዮም፡ ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፡ እቲ ኻህን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በሎም። ንሳቶም ከአ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ኻህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድ ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፡ በልዎ። ንሳቶም ከአ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ኻህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድ ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፡ በልዎ። ሽዑ ልቢ እቲ ኻህን ተሓጎሰ እሞ፡ ነቲ ኣኤፎድን ንተራፊምን ነቲ እተጸርበ ምስልን ወሲዱ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኣተወ። ተመሊሶም ድማ ቆልዑን ማልን እቲ ኽቡር ነገርን ቀቅድሚኦም ገይሮም ከዱ። ንሳቶም ካብ ቤት ሚካ ስም ረሓቑ ኸአ፡ ኣቶም ጎረባብቲ ቤት ሜካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተአኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም። ንደቂ ዳን ድማ ጸውዕዎም። ንሳቶም ከአ ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ ብኣውያት እትእከብ እንታይ ዃንካ ኢኻ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩም፡ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣሎኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ እንታይ ዃንካ ኢኻ እትብለኒ፡ ደጊምከ እንታይ ተሪፉኒ እዩ፡ በሎም። እቶም ደቂ ዳን ከአ፡ ነፍሶም እተመረረት ሰባት ከይገትሙልኩም እሞ፡ ንነፍስኻን ንነፍሲ ቤት ሰብካን ከይተጥፍእሲ፡ ቃልካ ኣባና ኣይሰማዕ በልዎ። እቶም ደቂ ዳን ድማ መገዶም ከዱ። ሚካ ኸኣ ካብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረእየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ መጸ። ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገብሮን ነቲ ዝነበሮ ኻህን ሒዞም፡ ናብቲ ሀዲኡን ተአሚኑን ዝነበረ ህዝቢ፡ ንባ ላይሽ መጹ። ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም፡ ነታ ኸተማ ኸአ ብሓዊ ኣንደድዋ። ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜድሕኖም ኣይነበረን። ንሳ ኸአ ኣብቲ ኣብ ቤትሬሖብ ዘሎ ለሰ እያ ዘላ። ነታ ኸተማ ድማ ሰሪሖም ተቐመጥዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም ኣታ ኸተማ ላይሽ ይበሀል ነበረ። እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር እተማረኸላ መዓልቲ፡ ዮናታን፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮኑ። እታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ሲሎ ኽሳዕ ዘላ ኹሉ ዘበን፡ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ንኣታቶም ኣቖምዎም ነበሩ። ኮነ ኸአ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ኾይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤትልሄምይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ። እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸአ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤትልሄምይሁዳ ኸይዳ ኸአ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዚውን ጊዜ ተቐመጠት። እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኺመልሳ ተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደ። ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከአ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፡ ኣቦ እታ መርዓት ምስ ረአዮ ኸአ ተሓጉሱ ተቀበሎ። ኣቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቀመጠ። በልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸአ ሓደሩ። ኾነ ኸአ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኪኸይድ ድማ ተላዕለ። ኣቦ እታ መርዓት፡ ንሰብኣይ ጓሉ፡ ቁራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱ በሎ። ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ መርዓት ከአ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደር፡ ልብኻውን ይተሓጎስ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ኪኸይድ ተንስኤ፡ እቲ ሓሙኡ ደአ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስኤ። ኣቦ እታ መርዓት ከአ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ጽናሕ፡ በሎ፡ ክልቲኦም ድማ በልዑ። እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኣኡን ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኺዐርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደር፡ ልብኻ ይተሓጎስ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መንገድኹም ኪዱ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ኪሓድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ ንሳ ኸአ ዮርሳሌም እያ። እተን ክልተ ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ። ኣብ ይቡድ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጎይትኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር በሎ። ጎይትኡ ኸአ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዜብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንአቱን። ናብ ጊብዓ ደአ ንሕለፍ በሎ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኤን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደር በሎ። ሓሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያም፡ ጸሓይ ዐረበቶም። ኣብ ጊብዓ ኣትዮም ኪሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተው ኸአ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን። እንሆ ድማ፡ ሕደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዩኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ። ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ። ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባብይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከአ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፡ ካበይከ መጺእካ በሎ። ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤትልሄም ይሁዳ፡ ንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሐልፍ ኢና፡ ኣነ ኻኡ እየ፡ ኣብ ቤቱ ዜሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ። ነእዱግና ዚኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላውኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን ኣሎና፡ ዚጎድለና ነገር የልቦን፡ በሎ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባበይ ደአ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጎደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ በሎ። ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸአ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሕጺቦም ከአ በልዑን ሰተዩን። ንሳቶም ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነታ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትይ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ፡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣአተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም። እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተውን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሓደግዋ። ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ ኣታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጎይትኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት። እቶ ጎይትኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ በኢት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ስበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸአ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት። ንሱ ድማ፡ ተንስኡ ንኺድ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዑሉ ናብ ቦትኡ ኸደ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቖራጽ ቆራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ። ኮነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ኹሉ፡ ደቂ እስራኣኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዘመሰለ ኾይኑን ተራእዮን ኣይፈልጥን። ሕሰብውን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን በለ። ሽዑ ኹሎም ደቂ እስራኤል ወጹ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕን ምድሪ ጊልዓድን ከም ሓደ ሰብኣይ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ተአከበ። ሓላቑ ኹሉ ህዝብን ኩሎም ነገዳት እስራኣኤልን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሕ ኣጋር ኣብቲ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ ቀረቡ። እቶም ደቂ ብንያም ድማ ደቂ እስራኤል ንምጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ከም ዝኾነ ንገሩና በሉ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ኣነ ምስታ ሰበይቲ ወሰነይ ኣብ ጊብዓ ናብ ብንያም ክሐድር ኣቶኹ። እቶም ሰብ ጊብዓ ድማ ተላዕሉኒ፡ ኣብታ ዘሎኽዋ ቤት ብለይቲ ኸበቡኒ፡ ኪቐትሉኒ ኸአ ሐሰቡ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይውን ዐመጽዋ እሞ ሞተት። ኣነ ኸአ፡ ኣብ እስራኤል ርኽሰትን ዕብዳንን ስለ ዝገብሩ፡ ነታ ሰብይቲ ወሰነይ ወሲደ ቖራረጽክዋ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ ርስቲ እስራኤል ሰደድክዋ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኩላትኩም እኔኹም፡ ኣብዚ ተዘራረቡን ምኸሩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸአ ከም ሓደ ሰብኣይ ኮይኑ ተንሲኡ ኸምዚ በለ፡ ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ሓደ እኳ ናብ ቤቱ ኣይመለስ። ሕጂ ግና ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፡ ዕጭ ኣውዲቕና ንደይባ። ናብ ጊብዓ ብንያም ከይዶም ከአ፡ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝገበረቶ ዕብዳን ኪገብርዋስ፡ ነቲ ህዝቢ ስንቂ ዚወስዱ ኻብ ኩሎም ነገድ እስራኤል፡ ካብ ሚእትስ ዓሰርተ፡ ካብ ሽሕ ከአ ሚእቲ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ውን ሰብኣይ ንውሰድ። ኩሎም ሰብ እስራኤል ድማ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተአከቡ። እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣንታይ እዩ፡ ሕጂ ኸአ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለው ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና ኢሎም ሰባት ለአኹ። እቶም ደቂ ንብያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተውን። እቶም ደቂ ብንያም ድማ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተአከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ወጹ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወጹ ደቂ ብንያም፡ ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዓ ዚነብሩ፡ ሾብዓተ ሚእቲ እተቖጽሩ ሕሩታይ ሰብ፡ ዕስራን ሹድሹተን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቖጽሩ። ካብ ኩሉ እዚ ህዝቢ እዝ፡ ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጉሪ ዘይስሕቱ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ ነበሩ። ሰብኡት እስራኤል ድማ፡ ብጀካ ብንያም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቖጽሩ። እዚኣቶም ኩሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ። ደቂ እስራኤል ድማ ተንሲኦም ናብ ቤትኤል ደዩቦም፡ ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባናስ መን ቅድም ይድይበልና፡ ኢሎም ንኣምላኽ ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ከአ፡ ይሁዳ ይቐድም፡ በለ። እቶም ደቂ እስራኤል ድማ ንጽብሒቱ ንግሆ ተንስኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንጽር ጊብዓ ሰፈሩ። ሰብ እስራኤል ከአ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ኪዋግእዎም ኣብ ጥቓ ጊብዓ ተሰለፉ። ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብእይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እቶም ህዝቢ፡ ሰብ እስራኤል፡ ድማ በርቲዖም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ። ደቂ እስራኤል ከአ ደይቦም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፡ መሊሶም ምስ ደቂ ሃወይ ብንያም ውግእ ክገጥም፡ ኢሉ ሐተት። እግዚኣብሄር ከአ፡ ደይብዎ፡ በለ። እቶም ደቂ እስራኤል በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ። ብንያም ከኣ ካልኣይ መዓልቲ ኺቃባባሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እዚኣቶም ኩሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ። ሽዑ ኹሎም ደቂ እስራኤልን ኩሉ ህዝብን ናብ ቤትኤል ደዩቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸ ጾሙ። ዚሐርር መስዋኣትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ። ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን፡ ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውም ነበረ እሞ፡ መሊሶም ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሐድጎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ጽባሕሲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቡ ደአ፡ በሉ። እስራኤል ከአ ንጊብዓ ብዙርያኣ ድብቕ ኣንበረላ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ኣብ ቅድሚ ጊብዓ ተሰለፉ። እቶም ደቂ ብንያም ድማ ወጺኦም ነቲ ህዝቢ ኺቃባበልዎ ኻብታ ኸተማ ተሳሕቡ፡ ኣብተን ክልተ መገዲ፡ ሓንቲ ንቤትኤል ኣቢላ እትድይብ ሓንቲ ድማ ንመሮር ጊብዓ እተብል፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ካብቲ ህዝቢ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ሰላሳ ዚኾኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቕትሉን ጀመሩ። እቶም ደቂ ብንያም ድማ፡ ከምቲ መጀመርታ ኣብ ቅድሜና ተሳዕሩ በሉ። ደቂ እስራኤል ግና፡ ካብ ከተማ ናብ መገድታት ክንስሕቦምሲ ንህደም ደአ፡ በሉ። ኩሎም ሰብ እስራኤል ከአ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓልታማር ተሰለፉ። እቲ ድብቕ እስራኤል ድማ ካብታ ቦታኡ፡ ካብ መዓረህጊብዓ ወጸ። ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከአ በርትዔ፡ ደቂ ብንያም ግና ክፉእ ከም ዚበጽሖም ኣይፈልጡን። እግዚኣብሄር ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዚስዐር ገበሮ። ደቂ እስራኤል ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሚእትን ሰብኣይ ቀተሉ። እዚኣቶም ኩሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ። ደቂ እስራኤል ከአ በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ድብቕ ስለ እተአመኑ ንደቂ ብንያም ቦታ ህብዎም እሞ፡ እቶም ደቂ ብንያም ከም እተሳዕሩ ረአዩ። እቶም ድቡቓት ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጎየዩ እሞ እቶም ድቡቓት ጥሒሶም ንብዘላ እታ ኸተማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ንሰብ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዚልዐል ኪገብሩ ምስቶም እተደበቑ ምልክት ነበሮ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ውግእ ገጾም መለሱ፡ ብንያም ከአ፡ ብርግጽ ከምቲ ቀድማይ ውግእ ኣብ ቅድሜና ተሳዔሮም፡ በሉ እሞ፡ ካብ ሰብ እስራኤል ሰላሳ ዚኾኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቕትሉን ጀመሩ። እቲ ምልክት፡ እቲ ዓንዲ ትኪ፡ ካብታ ኽተማ ኺዐርግ ምስ ጀመረ፡ ብንያም ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ፡ ኣንሆ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ንሰማይ ዐረገት። ሽዑ እቶም ሰብ እስራኣኤል ተመልሱ፡ ሰብ ብንያም ከአ ክፉእ ከም ዝበጽሖም ረአዩ እሞ ተሸበሩ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመገዲ ሰብ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ፡ እቲ ኹናት ግና እግረ እግሮም ሰዐቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ድማ ማእኪሎም ቀተልዎም። ንብንያም ከቢቦም፡ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ መንጽር ጊብዓ ሰጎጉዎ፡ ኣብ ዚዐርፈላ ዘበለ ረጋግጽዎ። ካብ ብንያም ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብ ወደቑ። ኢዚኣቶም ኩሎም ከአ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ተመሊሶም ድማ ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ። እስራኤልውያን ግና ኣብ መገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ቀረሙ። ሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ወደቑ ኹሎም፡ ሴፍ ዚመልሑ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኮኑ፡ እዚኣቶም ኩሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ግና ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ፡ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከአ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፡ ንብዘላ እታ ኸተማን ንማልን ንዝረኸብዎ ኹሉን ብስሕለት ሴፍ ቀተሉ። ንዝረኸብወን ኩለን ከተማታት ከአ ብሓዊ ኣንደድወን። እቶም ሰብ እስራኤል ከአ ኣብ ሚጽጳ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዐኣ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤትኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸአ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጎድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝኾነ፡ ድማ በሉ። ኮነ ኸአ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ በሉ። ደቂ እስራኤል ከአ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቖሪጹ። ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንገብረሎም፡ በሉ። ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፡ በሉ። እንሆ ኸአ፡ ካብ ያቤሽጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን። እቲ ህዝቢ ተቖጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ፡ ሕሰደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም፡ እትገብርዎ ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተባዕታይን ኩለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስትን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም። ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከአ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን። ኩሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለው ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም። በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸአ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይአኸላኦምን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ። እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየን እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር በሉ። ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምስስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለው፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ። ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉምይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ። ኣብታ ንቤትኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤትኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ኸአ ብምብራቕ ንለቦናውን ዘላ ሺሎ፡ እንሆ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዐመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ። ንደቂ ብንያም ከአ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ። እንሆ ኸአ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕስዓ ኺወጻ ምስ ራኤኹም፡ ካብታ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከአ ኺዱ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን ንብሎም። እቶም ደቂ ብንያም ከአ ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቖጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ። ደቂ እስራኤል ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ነናብ ርስቱ ወጸ። በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኮይኑ እተራኣዩ ይገብር ነበረ። ኮነ ድማ፡ ብተኢ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤትልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደ። ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸአ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኢፍራታውያን ካብ ቤትልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከአ ኣብኡ ተቐመጡ። ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከአ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተው፡ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣቡኡ ተቐመጡ። ማሕሎንን ኪልዮንን ከኡ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖም፡ እንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት። ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸአ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳ። ናእሚ ኸአ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር። ነፍሲ ወከፍክን ከአ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከአ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በለኣ፡ ናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፡ ተመለሳ ደአ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፡ ደቀየ፡ ሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደአ ተመለሳ። ተስፋ ኣሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶ፡ ኣወዳት ከአ ኣንተ ዝወልድ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፡ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፡ ኣይፋልክን ደቀየ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ መጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርጳ ንሓማታ ስዐመታ፡ ሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት። ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙርኪ እንሃ፡ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ፡ በለታ። ሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸአ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞተላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸአ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየት፡ ምዝራባ ሓደገት። ናብ ቤትልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸአ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤትልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸአ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ እቲ ኹሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጥራይርይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ፡ እቲ ኹሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን በለተን። ናእሚ ድማ ተመልሰት፡ ሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸአ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤትልሄም ኣተዋ። ንናእሚ ድማ ቦአዝ ዚብሀል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሌሜሌክ ዘመድ ሰብኣይ ነበረ። ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኸበሉ ስዒበን ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ኸአ ኪዲ ጓለይ፡ በለታ። ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸአ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ። እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤትልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎ። ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበገረ ጊልያኡ፡ እዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፡ በሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ኸአ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ። ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፡ ቀሪም ክአሪ ሕደገኒ በለት። ንግሆ ምስ መጸት ክአ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ ኣላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቕሩብ ጊዜ እያ ዝጸንሔት፡ ኢለ መለሰ። ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶ፡ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደአ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ። ናብቲ ዚዐጽድዎ ግራት ርእዩ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዐቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ኸይትንክዮኺ ኣዘኢዘዶ ኣይኮንኩን፡ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዩ፡ በላ። ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ፡ ንኣይ ኽትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኸብኩ፡ በለቶ። ቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገብርክዮ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪ፡ ቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ ኣለው። እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ፡ ዓስብኺ ኸአ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸአ፡ ጐይታየ፡ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒካኒ ኢኻ እሞ። ኣብ ቅድሜኻስ ሞጎስ ኣርከብ በለት። ቦአዝ ድማ በታ ጊዜ ምሳሕ፡ ናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ ብልዒ ቑራስኪ ኸአ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት፡ ጥቡስ ሰዊት ከአ ሀባ፡፡ ንሳ ድማ በልዔት፡ ጸጊባውን ኣትረፈት። ክትቅርም ምስ ተንስኤት ድማ፡ ቦአዝ ነቶም ግዙኣቱ፡ ኣብ ማእከል እንዳእቲ ትቐርም ኣይተሕፍርዋ፡ ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከአ ክትርአዩ ሕደጉላ፡ ኣይትኾርዩላውን፡ ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ ግራት ከአ ክሳዕ ምሸት ቀረመት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፡ ሓደ ኤፋ ዚአክል ስገም ድማ ኾነ። ጾይራቶ ኸአ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ሓማታ ድማ እቲ ዝቐረመቶ ረአየቶ፡ እቲ ተረፍ ጽጋባውን ኣውጺኣ ሀበታ። እታ ሓማታ ኸአ፡ ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ ኣበይከ ዐዩኺ፡ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን፡ በለታ። ንሳ ኸአ ምስ መን ከም ዝዐየየት፡ ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዐረኹ ሰብኣይ ቦአዝ እዩ፡ ኢላ ንሓማታ ነገረታ። ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ ንሱ ንህያዋንን ንምውታትን ምሕረቱ ዘይገደፈ፡ እግዚኣብሄር ይባርኮ፡ በለት። ናእሚ መሊሳ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ፡ በለታ። ሩት እታ ሞኣባዊት ከአ፡ ንሱስ ብዘሎ ዓጺድዶ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም ግዙኣተይ ልገቢ ኢሉኒ፡ በለታ። ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ ጓለይ፡ ኣብ ካልእ ግራት ማንም ከይትንክየክስ፡ ምስተን ግዙአቱ ኽትወጺ ጽቡቕ እዩ፡ በለታ። ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከአ፡ ነተን ግዙኣት ቦኣዝ ስዒባ ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት። ናእሚ ሓማታ ድማ በለታ፡ ጓለይ፡ ምእንቲ ብድሓን ክትነብርስ፡ ዕረፍቲ ደይኮንኩን ዝደልየልኪ ዘሎኹ፡ ሕጂ ኸአ እቲ ምስተን ግዙኣቱ ዝነበርኪ ቦኣዝ፡ ዘመድናዶ ኣይኮነን፡ እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ። እምበአርሲ ተሓጺብክን ተለኺኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዚውድእ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ኣይተረአዮ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ ዚድቅስ እታ ዚድቅሰላ ቦታ ፍለጢ፡ መጺእኪ ድማ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዕኩ ደቅሲ። ንሱ ኸአ እተገብርዮ ኺነግረኪ እዩ። ንሳ ድማ፡ ዝበልክኒ ኹሉ ኽትገብር እየ፡ በለታ። ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፡ ከምቲ ሐማታ ዝአዘዘታ ኹሉ ገበረት። ቦአዝ ከአ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ተሓጎሰ፡ ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኺድቅስ ከደ። ሽዑ ንሳ ቀስ ኢላ መጸት፡ ብሸነኽ እርጉ ቐሊዓ ድማ ደቀሰት። ኮነ ኸአ፡ ፍርቂ ለይቲ እቲ ሰብኣይ ሰምቢዱ ተገምጠለ፡ እንሃ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት። ንሱ ኸአ፡ መን ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፡ በለት። ንሱ ኸአ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ። ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ኽገብረልኪ እየ። ሕጂ ኸኣአ ኣነ ወራሲ ምኻነይሲ ሓቂ እዩ፡ ግናኸ ካባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ። ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ንሱ እንተ ወረሰኪ ጽቡቕ፡ ይውረስ። ኪወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣነ ኽወርሰኪ እየ። ክሳዕ ዚወግሕ ደቅሲ። ክሳዕ ዚወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመጸት ኣይፈለጥ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ገና ሰብ ምስ ብጻዩ ኸይተላለየ ኣንጊሃ ተንስኤት። ቦአዝ ግና፡ እቲ ተኸዲንክዮ ዘሎኺ ነጸላ ኣቕሪብኪ ዘርግሕዮ በላ። ዘርግሓቶ ድማ። ንሱ ኸአ ሽዱሽተ መስፈር ስገም ሰፈረላ፡ ኣሰከማ ድማ። ናብ ከተማ ኸአ አተወት። ናብ ሓማታ ምስ አተወት ድማ፡ ንሳ ከምይ ኢኺ ጓለይ፡ በለታ። ንሳ ኸአ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ኹሉ ነገረታ። ኣብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ኸይትአትዊ ኢሉ፡ እዚ ሽድሽተ መስፈር ስገም እዚ ሂቡኒ፡ ድማ በለት። ንሳ ኸአ፡ እቲ ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ሎሚ ኸይውድኦ ኣይዐርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዚውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ በለታ። ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ስማ፡ ኣታ መን ኢኻ፡ ኣግልስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥ፡ በሎ። ንሱ ኸአ ኣግሊሱ ተቐመጠ። ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ተቐመጡ። ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምስሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጉ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ። በጃካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸአ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ኳንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዃንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ክወርስ እየ በለ። ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምውት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት፡ ሰበይቲ እቲ ምውት ከአ ክትዕድጋ ኢኻ በለ። እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ኽወርሳ ኣይክእልን። ክወርሳ ኣይክእልን እየ ኣሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ። ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውርራስ ኣብ ለውጥን፡ ኩሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ። እቲ ወራሲ ኸአ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኤ። ቦአዝ ከአ ነቶም ዓበይትን ንኹሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ድማ ኹሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዋ፡ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። ድማ ስም እቲ ምውት ካብ ማኣከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእ፡ ስም እቲ ምውት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፡ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝዐደግክዋ፡ ሊሚ ምስክር ኢኹም በሎም። እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከአ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር፡ አክምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤትልሄምውን ስሙይ ኩን። እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መሮኣት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እታ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ። ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸአ አተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባ። ወዲውን ወለደት። እተን ኣንስቲ ኸአ ንናእ፡ ሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ስሙ ኣብ እስራኣኤል ይሰመ። እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ። ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶ፡ መጉዚቱውን ኮነት። እተን ጎረባብታ ኸአ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ፡ ኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸአ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ። ትውልዲ ፋሬስ ከአ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ። ኤስሮም ድማ ንራም ወለደ፡ ራም ከአ ንኣሚናዳብ ወለደ። ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከአ ንሰለሞን ወለደ። ሰለሞን ድማ ንቦአዝ ውለደ፡ ቦኦዝ ከአ ንእዮቤድ ወለደ። እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደ፡ እሴይ ከአ ንዳዊት ወለደ። ኣብ ራማታይምጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝሰመ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሉሁ፡ ውዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበሩዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመቱ ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዂሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦም። ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሃባ። እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ በኸየት፡ ኣይበልዔን ድማ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጒህዩ አሎ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕክን በላ። ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንሲኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኲሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት። ኰነ ኸኣ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፉ ይጥምት ነበር። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ኸኣ፡ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ። ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርኣየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሉ፡ ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጒህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተው። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። እቲ ሰብኣይ ኤልቅና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደየበ። ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እየ፡ በለቶ። ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍሰኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበርት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ። ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ ኣሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ። ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን። እግዚኣብሄር ኲሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ። እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት። እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ። እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንስኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐድፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም። ንሱ ነእጋር ቅዱሳን ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማይ ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጒድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉስ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሁ ኸኣ ልዕል የብሎ። ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበር። ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን። እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዚስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቊራዕ ወይ ናብ መቚሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ ዂሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ። ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለውውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዚጥበስ ስጋ ሀበኒ፡ ይብሎ ነበረ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ፡ ቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነድስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ። እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ። ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናብ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት። ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ እግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካ፡ ኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱ። እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓ፡ ጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ውለደት። ሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ። ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለው እስራኤል ዝገበርዎ ዂሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ። ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፋእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም ኣይፋልኩም ደቀየ፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ ኣሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነን። ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ በሎም። እግዚኣብሄር ኪቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን። ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለው፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ኪዐጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኲሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኰንኩን፡ ኲሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝኣዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም ካብ ኲሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሐቕ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ኪመጻ እየን። በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን። እቲ ኣነ ኻብ መስውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍሳኻውን ንምምህማን ኪኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጒብዝናኡ ኺመውት እዩ። እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዚመጽእ፡ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ኪዀነካ እዩ። ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ኪመላለስ እዩ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግድ እዩ። ቊራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኺብሎ እዩ። ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤል ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን። ኰነ ኸኣ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡ ምርእይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ሓሚቐን ነበራ፡ መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍኤ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ። ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዒካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ፡ በለ። ከይዱ ኸኣ ደቀሰ። እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዑኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣይተገልጸሉን ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ፡ ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣቢሄር ከም ይጽውዖ ኣስተውዓለ። ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎ፡ ኪድ ደኣ ደቅስ፡ ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተዛረብ በሎ። ሳሙኤል ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ። እግዚኣብሄር ድማ መጾ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን ኣዝኑ ዱድ ዜብል ነገር ክገብር እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ኻብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኢ ኽገብሮ እየ። እቶም ደቂ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡ ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘልኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ። ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሄ። ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ። ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዂሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሐባእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካ፡ በለ። ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሐብኤ፡ ኲሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራዮ ይግበር፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ዐበየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዂሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን። ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ። እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ። ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ።እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ወጸ፡ ኣብ ኤብንዔዝር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ ገፍሔ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ፡ ኣብቲ እተሰለፉሉ መሮር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ። እቲ ህዝቢ ናብ ስፈሩ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኰን እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዝሰዐረና፡ እምበኣርሲ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጻላእትና ምእንቲ ኼድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ፡ በሉ። እቲ ህዝቢ ናብ ሺሎ ልኢኹ ኸኣ፡ ካብኣ ነቲ ታቦት ኪዳን፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምጽእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፡ ብዘለው እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙሕ እልል በሉ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ እቲ ድምጺ እልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር እስራውያን ዘሎ ድምጺ ብዙሕ እልልታስ እንታይ ኰን እዩ፡ በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ከም ዝኣተወ ኸኣ ፈለጡ። ፍልስጥኤማውያስ ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ ሰፈር መጺኡ እዩ፡ ኢሎም ብዙሕ ፈርሁ። በሉ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣይኰነን እሞ ወይለና። ንግብጻውያን ብዂሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ወይለና፡ ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ኬድሕነና እዩ ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ባሮት እብራውያን ከትኾኑስ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ እወ ሰብ ኡትኩኑ፡ ተዋግኡ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። እቲ ውግእ ከኣ ኣዝዩ በርትዔ እሞ፡ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ። ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማሪኹ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ከኣ ሞቱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሐደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመድ ነስኑሱ ኻብቲ ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ። ንሱ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፡ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት። ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ዋይዋይታ ምስ ሰምዔ፡ እዚ ድምጺ ታዕታዕሲ እንታይ ኰን እዩ፡ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኤሊ መጺኡ ነገሮ። ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሾሞንተን ዓመት ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ኣዒንቱ ፈዚዘን፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። እቲ ሰብኣይ ንኤሊ፡ እቲ ኻብ ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ፡ ኣነ ኻብቲ ውግእ ሀደምኩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደየ፡ ነገሩ እሞ ኸመይ ኰነ በለ። እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ብዙሕ ሰብውን ተወድኤ፡ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፡ ታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹ፡ ኢሉ መለሰ። ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐ፡ ክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ። ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዔት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርኪኻ ወለደት። ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ዝበላ ኣንስቲ፡ ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በላኣ። ንሳ ግና ገለ ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባውን ኣየእተወቶን። እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ፡ ኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ። ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ በለት። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ካብ ኤብንዔዝር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ። ኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ሰፈራኡ መለስዎ። ንጽብሕቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ፡ ዳጎን እቲ ማእክሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰነ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዚኣትው ዂሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፡ ንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር፡ በሉ። ልኡኻት ሰዲዶም ከኣ ንዂሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ በሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት የልግስ፡ በሉ። ስለዚ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግለስዎ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ኣግለስዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብታ ኸተማ ንኣዝዩ ዓብዪ ዕግርግር ኰነት፡ ንሰብ እታ ኸተማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ወቕዖም፡ ሕበጥ ድማ ወጾም። ሽዑ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ፡ እቶም ዔቅሮናውያን፡ ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኪቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና፡ ኢሎም ጨርሑ። ኢድ ኣምላኽ ከኣ ኣብኣ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ ንብዘላ እታ ኸተማውን ፍርሃት ሞት ስለ ዝሐዛ፡ ልኢኾም ንዂሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ እዚ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ስደድዎ፡ ናብ ስፍራኡ ኸኣ ይመለስ፡ በሉ። እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፡ ብኽያት እታ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ደየበ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቘልትን ጸዊዖም፡ ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና፡ በሉ። ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፡ ጥራዩ ኣይትስደድዎ፡ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኺፍለጠኩም እዩ፡ በሉ። ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዂላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቊጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ኣንጭዋ ወርቅን እዩ። እምበኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሀብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ። ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣሎኹም ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዜጥብዋ ክልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቑረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕረኤን ናብ ቤት ምለስወን። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ። ርኣዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤትሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፋእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስጅ ብኸምኡ ደኣ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢድ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ። እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸውወን። ንታቦት እግዚኣብሄር ነቲ ሳጹን ምስሊ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ። እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማን ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዔን መገዲ ቤትሸመሽ ትኽ ኢለን ከዳ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤትሸመሽ ደድሕሪኤን ከዱ። እቶም ኣብ ቤትሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዐጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረኣይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሐጐሱ። እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤትሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጽይንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ኣብ ቤትሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ። እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረኣይዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ። እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቃሮን። እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቊጽሪ ዂለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቑሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤትሸመሽ ኣሎ። ካብ ሰብ ቤትሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ። እቶም ሰብ ቤትሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ኪቐውም ይኽእል ካባናኸ ናብ መን ኪድይብ እዩ በሉ። ነቶም ኣብ ቂርያትየዓሪም ዚነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶም፡ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም። እቶም ሰብ ቂርያትየዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብቲ ኣብ ኲርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣእተውዎ፡ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት እግዚኣብሄር ኪሕሉ ቀደስዎ። ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለው ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ። ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኹም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ። ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ። ሳሙኤል ድማ፡ ንዂሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ምእንታኹም ክልምኖ እየ፡ በሎም። ሽዑ ኣብ ሚጽጳ ተኣከቡ፡ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣውን ጾሙ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በዲልናዮ፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ፈረዶም ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኸም እተኣከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎም። ደቂ እስራኤል እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ፈርህዎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ንሳሙኤል፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምምህላል ኣይትሕደግ፡ በልዎ። ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምላሽ ሀቦ። ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርግ ከሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጎዱ ኣሸበሮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጒዎም፡ ክሳዕ ትሕቲ ቤትካር ቀተልዎም። ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ሚጽጳን ሼንን ኣንበሮ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና፡ ኢሉ ድማ ስሙ ኤብንዔዘር ሰመዮ። ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ናብ ዶብ እስራኤል ኣይመጹን። ብዂሉ ዘበን ሳሙኤል ድማ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ነበረት። እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፡ ንዶበን ከኣ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሐነ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ። ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘበን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ። ዓመት ንዓመት ከይዱ ኸኣ ናብ ቤትኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ይዘውር ነበረ፡ ኣብ ኲለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከኣ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ቤቱ ኣብ ራማ ነበረት እሞ፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረዲ ገበሮም። ስም እቲ በዂሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ኣቢያ ነበረ፡ ኣብ ብኤርሸባዕ ፈረዲ ነበሩ። እቶም ደቁ ግና ብመገዱ ኣይከዱን፡ ናብ ስስዔ ደኣ ኣበሉ፡ መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ። ሽዑ ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኪሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ። ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂለ ቓሎም ስማዕ። ከምቲ ኻብቲ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርክዎ ግብሪ፡ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ንኣኻ ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለው። ሕጂ ኸኣ ቃሎም ስማዕ፡ ግናኸ ኣጽኒዕካ ምዐዶም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ከኣ ኣፍልጦም። ሳሙኤል ድማ ነቶም ካብኡ ንጉስ ዝለመኑ ህዝቢ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዘበለ ነገሮም። ንሱ በሎም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግጽ ንጉስ እዚ እዩ፡ ነቶም ኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ይገብሮም፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ድማ ኪጐዩ እዮም። ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሓምሳን፡ ማሕረሱ ዚሐርሱን ዓጺዱ ዚዐጽዱን ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ድማ ዚሰርሑ ኺገብሮም እዩ። ነተን ኣዋልድኩም ከኣ ሽቱ ኼቃምማን ጸብሒ ኺሰርሓን ኪስንክታን ኪወስደን እዩ። እቲ ዘዝበለጸ ግርሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይቲኹምን ወሲዱ ድማ ንገላውኡ ኺህቦም እዩ። ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸኣ ንስሉባቱን ንገላውኡን ኪህቦም እዩ። ገላውኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጹ ኣጒባዝኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ንዕዮኡ ኺገብሮም እዩ። ካብ ኣባጊዕኩም ከኣ ዕሽር ይወስድ፡ ባሮቱውን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ እቲ ዝሐሬኹምዎ ንጉስኩም ክትምህለሉ ኢኹም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ኣይመልሰልኩምን እዩ። እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ። እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ኲሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳሙኤል፡ ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይኺድ፡ በሎም። ካብ ብንያም ድማ ቂስ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጾሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ፡ ወዲ ብንያማዊ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ሳኦል ዝስሙ ምልምልን መንእሰይን ወዱ ነበሮ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዚጽብቕ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ኻብ ኲሉ ህዝቢ ጸብለል ዝበለ ነበረ። ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ፡ ካብዞም ግዟይ ሓድ ምሳኻ ውሰድ፡ ተንሲእካ ድማ ኪድ እሞ፡ ነተን ኣእዱግ ድለየን፡ በሎ። ሽዑ ንኸረን ኤፍሬም ሐለፈ፡ ብምድሪ ሻሊሻ ኸኣ ሐለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሐለፈ፡ ኣብኣውን ኣይነበራን፡ ብምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሐለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። ናብ ምድሪ ጹፍ ምስ መጹ፡ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙኡ፡ ኣቦይ ብናይ ኣእዱግ ሐዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፡ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣብ ኣሎ፡ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ፡ ዝበሎ ዂሉ ርግጽ ዚኸውን እዩ፡ ሕጂ ናብኡ ንኺድ፡ ንሱ ምናልባሽ እንኸደላ መገድና ይነግረና ይኸውን፡ በሎ። ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ እንሆ፡ እንተ ኸድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እሞ እንታይ ነምጽኣሉ ኣብ ለቘታና እንጌራ ተወዲኡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እነምጽኣሉ ህያብ የብልናን፡ ወይስ እንታይ እሞ ኣሎና በሎ። እቲ ግዙእ ከኣ ከም ብሓድሽ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎኒ፡ እምበኣርሲ መገድና ምእንቲ ኺነግረናስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሀል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪሐትት ምስ ዚኸይድ፡ ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ፡ ይብል ነበረ። ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ንዓናይ ንኺድ፡ በሎ። ከምዚ ኢሎም፡ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ። ንሳቶም በቲ ናብቲ ኸተማ ዜደይብ ዓቐበት ኪድይቡ ኸለው፡ ማይ ኪወርዳ ዝወጻ ኣዋልድ ረኸቡ፡ እቲ ረኣዪ ኣብዚዶ ኣሎ ኢሎም ሐተትወን። ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፡ እንሆ፡ ኣብዚ ቕድሜኻ ኣሎ፡ እዚ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በረኻ ኪስውእ እዩ፡ ስለዚ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ቐልጥፍ፡ ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ገና ናብቲ በሪኽ ኪበልዕ ከይደየበ፡ ብኡብኡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ንሱ እዩ ዚባርኾ፡ ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጾ፡ ኣይበልዑን እዮም እሞ፡ ድሕርቲ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፡ ስለዚ ሕጂ ደይቡ። ናብታ ኸተማ ኸኣ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተው፡ እንሆ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ኪድይብ ኪቃባበኦም ወጸ። ሓንቲ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻእ ሳኦል፡ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ገሊጾምሉ ነበረ፡ ገዓሩ ናባይ ስለ ዝበጽሔ፡ ንህዝበይ ርእየዮ እየ እሞ፡ ጽባሕ ከምዚ ጊዜ ኣብዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፡ ንኣኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ኪኸውን ቅብኣዮ፡ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ። ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀረቡ፡ ቤት እቲ ረኣይስ ኣበይ እዩ ዘሎ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፡ ሎሚ ምሳይ ክትምስሑ ኢኹም እሞ፡ ቀቅድመይ ናብቲ በረኽ ደይብ፡ ጽባሕ ግና እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ነጊረ ኽሰደካ እየ። ብዛዕባ እተን ዝጠፍኣኻ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከኣ፡ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብእኤንሲ ኣይትሕሰብ። እቲ እስራኤል ዚትምነዮ ዘበለ ዂሉኸ፡ ንመን እዩ ንኣኻን ንቤት ኣቦኻን ዶ ኣይኰነን ሳኦል ድማ፡ ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይከንኩን፡ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኲሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ ኢሉ መለሰሉ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብ ኣደራሽ ኣእትዩ፡ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፡ ንሳቶም ከኣ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ። ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ጸብሒ፡ ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሀብኩኻ ምቃል ኣምጽኣዮ፡ በሎ። እቲ ሰራሒ ጸብሒ ኸኣ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዘሎን ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሚኤል ድማ፡ እቲ ንህዝቢ ጸዊዔ ኽብል ከሎኹ፡ ነዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ተነቢሩልካ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ ጌርካ ብልዓዮ፡ በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዔ። ካብቲ በሪኽ ናብቲ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ። ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ። ኰነ ድማ፡ ቐይሔ ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ንሳኦል፡ ከፋንወካስ ተንስእ፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳኦል ከኣ ተንስኤ፡ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ክልቲኦም ናብ ግዳም ወጹ። ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ነዚ ግዙእ ንቕድሜና ሕለፍ፡ በሎ፡ ንሱ ኸኣ ሐለፈ፡ ንስኻ ግና፡ ሕጂ ቓል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ጠጠው በል፡ በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውን ዶ ኣይኰነን ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡ ኣብ ዶብ ብንያም ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እተን ኣእዱግ ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካስ ተረኺበን። እንሆ ድማ፡ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሐዲጉ፡ ናይዚ ወደይሲ እንታይ ክገብር እየ እናበለ፡ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ፡ ኪብሊኻ እዮም። ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ድዋ ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብ ኣምላኽ ናብ ቤትኤል ዚድይቡ ሰለስተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ሰለስተ ወጠጦ ጾይሩ፡ ሓደ ድማ ሰለስተ እንጌራ ጾይሩ፡ ሓደ ኸኣ ሓርቢ ወይኒ ጾይሩ ኺረኽቡኻ እዮም። ከመይ ኪልካ ኣሎኻድማ ይብሉኻ፡ ክልተ እንጌራ ኸኣ ኪህቡኻ እዮም እሞ፡ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ። ድሕርዚ ናብቲ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዂርባ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ ኸሎኻ፡ ኣብኣ እኩባት ነብያት ቀቅድሚኦም ድማ በገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ገይሮም፡ ካብሪ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኺወርድ እዩ፡ ምሳታቶም ከኣ ክትንበ ኢኻ፡ ካልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ። ይኸውን ከኣ፡ እዚ ምልክታት እዚ ምስ መጸካ፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዚምሽኣካ ግበር። ቅድመይ ናብ ጊልጋል ክትወርድ ኢኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ዚሐርር መስዋእቲ ኸዕርግ፡ መስዋእቲ ምስጋና ድም ክስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መጺኤ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኽትጸንሕ ኢኻ። ኰነ ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለስ፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እዚ ምልክታት እዚ ዂሉ መጾ። ናብታ ዂርባ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ እኩባት ነብያት ተቐባበልዎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ተነበየ። ኰነ ድማ፡ እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ዂሎም፡ እንሆ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረኣይዎ፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ፡ እዚ ኣብ ወዲ ቂስ ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ በለ። ኣብቲ ስፍራ እቲ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣቦኦምስ መን እዩኢሉ መለሰ። ስለዚ እዩ እቲ ምስላ ዝዀነ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ ምንባይ ምስ ወድኤ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ። ሓወቦ ሳኦል ከኣ ንእኡን ነቲ ግዙኡን፡ ናበይ ኬድኩም ኔርኩም ኢኹም በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣእዱግ ክንደሊ፡ ከም ዘየለዋ ምስ ርኤና ግና፡ ናብ ሳሙኤል መጻእና፡ በለ። ሓወቦ ሳኦል ድማ፡ እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በጃኻ ንገረኒ፡ በለ። ሳኦል ድማ ንሓወቦኡ፡ ኣእዱግ ከም እተረኽባ ኣርጊጹ ነገረና፡ በሎ። እቲ ሳሙኤል ብናይ መንግስቲ ነገር ዝበሎ ግና ኣይነገሮን። ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ጸውዖ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንእስራኣኢአል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ዜጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሐንኩኹም፡ ይብል ኣሎ። ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኲሉ መከራን ጸበባን ዜድሕነኩም ኣምላኽ ነዐቕኩምዎ፡ ንእኡ ኸኣ፡ ኣይፈልካ፡ ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና፡ በልኩምዎ። እምበኣርሲ ሕጂ በብነገድኩምን በብሽሕኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ፡ በሎም። ሳሙኤል ከኣ ንዂሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ነገድ ብንያም በጽሔ። ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ዓሌት ማትሪ በጽሔ፡ ኣብ ሳኦል ወዲ ቂስውን በጽሔ። እንተ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኽበን። መሊሶም ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቓሑ ተሐቢኡ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ። ጐይዮም ከኣ ካብኡ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኲቡ ንላዕሊ ነውሖ። ሳሙኤል ድማ ንዂሎም እቶም ህዝቢ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ፡ ኣብ ኲሉ ህብዚ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዜልቦ ርኢኹምዶ በሎም። ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ እናበሉ እልል በሉ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ሕጋጋት መንግስቲ ነገሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ። ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፡ ኣምላኽ ልቦም ዘንቅሔ ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኸዱ። እቶም ደቂ ብልያል ግና፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፡ ኢሎም ነዐቕዎ እሞ፡ ገጽ በረኸት ኣይሀብዎን። ንሱ ግና ከም ዘይሰምዔ ዀነ። ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስጊልዓድ ከበባ። ኲሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽ፡ ክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልና፡ በልዎ። ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኑ ዂልኹም ብምንቋር፡ በዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፡ በሎም። እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረና፡ ዜድሕነና ዜልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእ፡ በልዎ። እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይኣቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዚበኪ ዘሎ እንታይ ኰይኑ እዩ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ። ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኲራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ። ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይሰዐብ፡ ኣብዑሩ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢዱ ልኡኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ። ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፡ ይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰነ። ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎም፡ ንሰብ ያቤስጊልዓድ፡ ጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከኣ ተሐጐሱ። እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ። ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩና፡ በሉ። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒሩ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብጊዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦል ዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ ዝበለ መን እዩ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎም፡ በለ። ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሐድሶ፡ በሎ። ብዘለው እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኡ ኸኣ ሳኦልን ኲሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ። ሳሙኤል ድማ ንብዘለው እስራኤል በሎም፡ እንሆ፡ ኲሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዔ፡ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንገስኩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ቐቅድሜኹም ዚኸይድ ንጉስ እንሆ፡ ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩ፡ ደቀይ ከኣ እነው ምሳኻትኩም ኣለው። ኣነ ድማ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ። እኔኹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፡ ብዕራይ መን ወሰድኩ ወይ ኣድጊ መን ወሰድኩ ወይስ ንመን ዐመጽኩ ንመን ኣጥቃዕኩ ዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢድኩ መማለዲ እተቐበልክዎዶ ኣሎ እሞ ኽመልሰልኩም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይዐመጽካናን ኣየጥቃዕካናን ድማ፡ ካብ ኢድ ሰብውን ገለ እኳ ኣይወሰድካን፡ በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩምለይሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ምስክር እዩ፡ ቅቡኡውን ምስክር እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ። ምስክር እዩ፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝገበሮም ነቦታትኩም ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ንሱ እዩ። እምበኣር ሕጂስ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ዂሉ ጻድቕ ግብርታቱ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ። ያእቆብ ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ኣቦታትኩም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኮም፡ ንሳቶም ከኣ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም። ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ፡ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን። ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም። ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ሐዲግናስ ንበዓሊምን ንኣስታርቴታትን ብምግልጋል በዲልና ኢና እሞ፡ ሕጂ ግና ካብ ኢድ ጸላእትና ኣስሕነና፡ ንሕና ድማ ከነገልግለካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንየሩብበዓልን በዳንን ይፍታሕን ሳሙኤልን ልኢኹ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ዘለው ጸላእትኹም ኣድሐነኩም፡ ሀዲእኩም ድማ ተቐመጥኩም። ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ከም ዚመጸኩም ምስ ርኤኹም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡ ኣይፋል፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ፡ በልኩምኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሐሬኹምዎን ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሂቡኩም፡ እንሆ። ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይኣቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ፡ ደሓን። ግናኸ ንቓል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ኣቤኹምዎ፡ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ከምቲ ነቦታትኩም እተጻረረት፡ ንኣኻትኩም ድማ ክትጻረረኩም እያ። ሕጂ ኸኣ ደው ኢልኩም ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዚገበሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። ሎምስ ጊዜ ዓጺድ ስርናይዶ ኣይኰነን፡ እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትርእዩንሲ፡ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነጒድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ። ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፡ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ። ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሓጢኣትናስ፡ ንጉስ ብምልማንና እዚ ኽፋእ እዚ ድማ ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ። ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ኣይትፍርሁ፡ ምግባርሲ እዚ ዂሉ ኽፋእ እዚ ንስኻትኩም ጌርኩምዎ ኢኹም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። ነቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ ምስዓቦም ክንቱ እዩ እሞ፡ ኣይተግልሱ። እግዚኣብሄር ህዝቡ ኺገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ። ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እና ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ። እቲ ንኣኻትኩም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ። ቀጺልኩም ክፋእ እንተ ገበርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም። ሳኦል ሓደ ዓመት ነገሰ። ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ነገሰ ድማ፡ ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሐረየ፡ ክልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ከረን ቤትጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ። ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባዕ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማዋያን ወቕዖ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ድማ፡ እብራውያን ይስምዑ፡ ኢሉ ኣብ ብሃገሩ መለኸት ንፍሔ። ብዘለው እስራኤል ከኣ፡ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎም፡ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተፈንፊኑ እዩ፡ ኪብሉ ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል ኪስዕቡ ናብ ጊልጋል ተኣከቡ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሽድሽተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ድማ ኣብታ ኣብ ምብርቕ ቤትኣዌን ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ። እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጒድን ተሐብኡ። ገሊኦም እብራውያን ከኣ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ድማ ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፡ ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ እናንቀጥቀጡ ሰዐብዎ። ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ። ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ። ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ኪብሎ ኢሉ፡ ኪቕበሎ ወጸ። ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልታትት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተኣከቡ ርኤኹ እሞ፡ ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺወርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዐሺኻ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዛ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ። ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ ደልዪስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ። ሳሙኤል ድማ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናብ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ዘለው ህዝቢ፡ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ቈጸሮም። ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቲ ምሳታቶም ዘሎ ህዝብን ድማ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ፡ ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ ሚኽማሽ ሰፈሩ። ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ዀይኖም ወጹ። እቲ ሓደ ኽፍሊ ብመገዲ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ኣበለ። እቲ ሓደ ኽፍሊ ኸኣ ብመገዲ ቤትሖሮን ኣበለ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊውን ብመገዲ እቲ ኣብ ለሰ ጸቦዒም ዚርኢ ዶብ፡ ብሸነኽ በረኻ ኣበለ። ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኲናት ኣይስርሑ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን። ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኲላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጹኡን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ። ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኲላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጹኡን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኲሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኲናት ኣይተረኸበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኽበ። ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብታ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ዀነ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግራኡ፡ ንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር፡ በሎ። ነቦኡ ግና ኣይነገሮን። ሳኦል ከኣ ኣብ ወሰን ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ። ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓው ኢካባድ፡ ወዲ ፊንሃስ ወዲ ኤሊ፡ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ፡ ኤፎድ ጾይሩ ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ። በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኪሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ ድማ ነቲ መሳገሪ ብሓደ ሸነኹ ኸኣ ጨላቚ ከውሒ፡ ነቲ መሳገሪ ብኻልኣይ ሸነኹ ኸኣ ጨላቚ ኸውሒ ነበረ፡ ስም ኣቲ ሓደ ቦጼጵ፡ ስም ቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ። እቲ ሓደ ጨላቚ ብወገን ሰሜን ኣብ መንጽር ሚኽማሽ፡ እቲ ኻልአይ ከኣ ብወገን ደቡብ ኣብ መንጽር ጌባዕ ቈይሞም ነበሩ። ዮናታን ድማ ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን፡ ንዓናይ፡ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም ንሳገር፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ድማ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር፡ ንስኻ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ እኔኹ፡ ከም ድላይ ልብኻ ምሳኻ እየ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን፡ እንሆ፡ ንሕና ናብቶም ሰባት ንሳገር፡ ንርኣዮም ከኣ። ንሳቶም፡ ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ እንተ በሉና፡ ንሕና ኣብ ዘሎናዮ ንጽናሕ፡ ናባታቶም ኣይንደይብ። ናባና ደይቡ፡ እንተ በሉና ግና፡ እዚ ንኣና ምልክት እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ ንደይቦም፡ በለ። ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሐቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጒዲ ይወጹ ኣለው፡ በሉ። እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ጋሻ ዛግሬኡን፡ ሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡ፡ ኢሎም መለሱሎም። ዮናታን ከኣ ነቲ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፡ ደድሕረይ ደይቡ፡ በሎ። ዮናታን ድማ በእዳውን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ኣብ ቅድሚ ዮናታን ከኣ ወደቑ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ። በቲ ዮናታን ጋሻ ዛግሬኡን ኰይኖም እተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ መዓል ጽምዲ ኣብ እትኣክል ቃድራ ኣስታት ዕስራ ሰብኣይ ቀተሉ። ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ መሮርን ኣብ ብዘሎ ህዝብን ምሽባር ኰነ፡ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ንሳቶም ከኣ ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣይቀጥቀጠት። እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዔኛታት ሳኦል ከኣ ጠመቱ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ናብዝን ናብትን ከደ። ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዘለው ህዝቢ፡ ቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርኣዩ፡ በሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኣይነበሩን። በታ መዓልቲ እቲኣ ታቦት ኣምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ነበረ እሞ፡ ሳኦል ድማ ንኣሕያ፡ ታቦት ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእ፡ በሎ። ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ምስቲ ኻህን ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ታዕታዕ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ ኢድካ ምለስ፡ በሎ። ሳኦልን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ከኣ ተኣኪቦም ክሳዕ ናብቲ ውግእ ኣተው። እንሆ ድማ፡ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዮ ዀነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕግርግር ከኣ ዀነ። እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ካብቲ ኻባቢ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ እብራውያን፡ ንሳቶምውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪዀኑ ተመልሱ። እቶም ኣብ ከረን ኤፍሬም ተሐቢኦም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ናብቲ ውግእ ሰዐቡ። እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሐኖ። እቲ ውግእ ከኣ ንቤትኣዌን ሐሊፋ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል፡ ላህሊሆም ነበሩ፡ ሳኦል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ረገሞም። ኲሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዐመን። ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ፡ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ። እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ ህዝቢ ግና፡ ነቲ መርገም ስለ ዝፈርሄ፡ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘቕረበ የልቦን። ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኼምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዔን ነበረ እሞ፡ ጭፍ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ ሰዲዱ ኣብቲ ጐጎ መዓር ጠምዔ፡ ኢዱ ኸኣ ናብ ኣፉ መለሰ፡ ኣዒንቱ ድማ በርሃ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣቦኻ፡ ሎሚ እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ንህዝቢ ኣጽኒዑ ኣምሒሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ደኺሙ ነበረ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ነዛ ሃገር ጐድኣ። ካብዚ መዓር እዚ ሒደት ስለ ዝጠዓምኩ፡ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ፡ በጃኹም ርኣዩ፡ እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብዚ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ ሕጂ እቲ ስዕረት ኣብ ፍልስጥኤማውያንዶ ኣይምዐበየን በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዐርዎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ እምብዛ ደኸመ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሐረዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ። ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሎ ኣሎ፡ ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ከዲዕኩም በደልኩም፡ ሕጂ ዓብዪ እምኒ ኣንካራሪኹም ኣምጽኡለይ፡ በለ። ሳኦል ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ፡ ኣብዚ ኸኣ ሐሪድኩም ብልዑ፡ ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ በልዎም፡ በለ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ብኢዱ ኣምጽኤ፡ ኣብኡ ኸኣ ሐረድዎም። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ ንሱ እዩ። ሳኦል ከኣ፡ ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ንዝመቶም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም፡ በለ። ንሳቶም ድማ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዂሉ ግበር፡ በሉ። እቲ ኻህን ግና፡ ናብዚ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፡ በለ። ሽዑ ሳኦል፡ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ ኣብ ኢድ እስራኤልዶኸ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻኢሉ ንኣምላኽ ሐተቶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣይመለሰሉን። ሳኦል ከኣ፡ ኣቱም ሓላቑ ህዝቢ ዂልኹም ናብዚ ቕረቡ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ብምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ፍለጡን ርኣዩን። እቲ በደል ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ዀነ እተገብረ፡ እቲ ንእስርኤል ዜድሕን እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በለ። ግናኸ ካብ ኲሉ ህዝቢ ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን። ሽዑ ንሱ ንብዘለው እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፡ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንከውን ኢና፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ግበር፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ሓቂ ግለጾ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን ሳኦልን ብዕጭ ተወስዱ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጹ። ሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑ፡ በለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ። ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን፡ ምጥዓምሲ ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥዒመ ነይረ፡ እኔኹ እሙት፡ ኢሉ ነገሮ። ሳኦል ድማ፡ ዎ ዮናታን፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፡ ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ እሞ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኺመውት እዩ ያእ የርሕቆ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብ ጸጒሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ በልዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሐንዎ። ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመልሰ። ፍልስጥኤማውያን ናብ ቦታኦም ከዱ። ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሐዘ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ዓሞንን ምስ ኤዶምን ምስ ነገስታት ጾባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግኤ፡ ገጽ ኣብ ዝመለሰሉ ዘበለ ኸኣ ሰዐረ። በርቲዑ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዐሮም፡ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ዘመትቱ ኣድሐኖ። ደቂ ሳኦል ድማ ዮናታንን ይስዊን ማልኪሹዓን ነበሩ። ስም እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸኣ፡ ስም እታ በዂሪ ሜራብ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ሚካል እዩ። ስም ሰበይቲ ሳኦል ከኣ ኣሒኖኣም እዩ፡ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር እዩ፡ ንሱ ወዲ ኔር ሐወቦ ሳኦል ነበረ። ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔርኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም። ብዂሉ ዘበን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረኣየ፡ ምስኡ ይወስዶ ነበረ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፡ ክቐብኣካ እግዚኣብሄር ንኣይ ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ደሃይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንእስራኤል፡ ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ጸኒሑ ዝገበሮ ዘኪረዮ ኣሎኹ። ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል። ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ኣኽቲቱ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ኰነ። ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቅ መጸ፡ ኣብ ለሰ ኸኣ ድብቕ ገበረ። ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡ ንስኻ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለው፡ ምሕረት ጌርካሎም ኢኻ እሞ፡ ምሳታቶም ከየጥፍኣኩምሲ ኺድ፡ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውረዱ፡ በሎም። ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ኣግለሱ። ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር ሰዐሮም። ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሐዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ። ሳኦልውን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገንሸልን ጽቡቕ ዘበለ ዂሉን ኬጥፍእዎ ኣይፈተውን እሞ፡ ነሐፍዎ፡ እቲ ንዕቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈጺሞም ኣጥፍእዎ። ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓባይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዩ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓባይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዩ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ንግሆ ኼራኽቦ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ተንስኤ። ሽዑ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ መጺኡ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ንእኡ ዚኸውን ሐወልቲ ኣቚሙ፡ ዞይሩ ድማ ተሳጊሩ፡ ናብ ጊልጋል ከኣ ወሪዱ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መጸ። ሳኦል ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን፡ ኣነ ቓል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ፡ በሎ። ሳሙኤል ግና፡ እዚ ኣባጊዕ ቤዕ ኪብላን ኣሓ እምባሕ ኪብላን ናቋኤን ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘሎኹ ደኣ እንታይ እዩ በለ። ሳኦል ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን፡ ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን፡ ነተን ዝተረፋ ግና ፈጺምና ኣጥፊእናየን ኢና፡ በለ። ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ። ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበርካ በሎ። ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም። ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ። ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሀጒሶ እዩ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቊልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ። ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተኣዘዝኩ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሐሊፈ እየ እሞ፡ ሓጣእኩ። ሕጂ ድማ በጃኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ። ሳሙኤል ንሳኦል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ። ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ንሱ ኸኣ ጫፍ ክዳኑ ኣጽኒዑ ሐዘ እሞ፡ ተቐደ። ሳሙኤል ድማ፡ እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲደ፡ ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ። እቲ ጽንዓት እስራኤልሲ ኸይጥዐስ ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን ኣይጥዐስን ከኣ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሓጣእኩ፡ ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድሲ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ። ሽዑ ሳሙኤል ደድሕሪ ሳኦል ተመልሰ፡ ሳኦል ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰገደሉ። ሳሙኤል ድማ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣጋግ ከኣ ተሐጒሱ ናብኡ መጸ። ኣጋግ ድማ፡ ምሪ ሞትሲ ርግጽ ሐሊፉ እዩ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ፡ ሴፍካ ነንስቲ ውሉድ ዜብለን ከም ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውሉድ ዜብላ ትኹን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ። ሳሙኤል ከኣ ናብ ራማ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ናብ ሳኦል ደየበ። ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይጒሂ ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጒህየሉ ናብ እሴይ ብዓል ቤትልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ። ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዔ፡ ኪቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ኢለ መጻእኩ፡ በሎ። ንእሰይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸኣ ቅብኣለይ፡ በለ። ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤትልሄም ከኣ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎ፡ ብሰላምዶ መጺእካ ከኣ በሉ። ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደኣ መጺኤ፡ ተቐድሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹ፡ በለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ጸውዖም። ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቕብእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ። ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ። እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ። እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሐረዮምን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኲሎም እቶም ደቂ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ። ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ። ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሐቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፋእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ። እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፋእ መንፈስ ደኣ ይሳቕየካ ኣሎ። እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለው ገላውኻ ምውቃዕ በገና ዚፈልጥ ሰብ ኪደልዩ ይኣዝዝ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፋእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኡዱ ኪወቅዕ እዩ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ በሎም። ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጒባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤትልሄም፡ ፈላጥ ወቓዒ ርእየ ኣሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ። ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎ፡ ጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ። ሳኦል ድማ ንእሴይ፡ ዳዊት ኣብ ዓይነት ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፋእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ደዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዂሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፋእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፡ ኣብ ኤፈስዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ። ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ። ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ። ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ ብዓል ጋት፡ ሽድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ። ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ። ኣብ ሰለፉቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኲቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ። ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላው ሳኦል ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ። ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸኣለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም። እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም ኣሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ፡ በለ። ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን። ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ ብዓል ቤትልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዂሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ። ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ። ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤትልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ። እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንጌራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ። እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሐለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለው ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ሳኦልን ንሳቶምን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ። ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ። ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሐዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ። እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ። ዳዊት ድማ ነቲ ምሱ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋሩ ደሓን ምህላዎም ሐተቶም። ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ብዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤማውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ። ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣይዎ ኻብ ቅድሚኡ ሀደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሱኡ ዘሎ ሰብኣይ እዚ ትርእይዎዶ ኣሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐተል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸኣ ኪህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለው ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ ኢሉ ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ። ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓው ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኲራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ንመን ገደፍካየን ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣይ ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ በለ። ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለስሉ። እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡ አነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድሮ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ። ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ኸኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ። ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተንን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ። በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፋዳን ኣንበሮ፡ ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብት ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኲሩ ምስ ረኣዮ፡ ንሱ ቐይሕ መልክዔኛ ኰተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጻንስ፡ ኣነ ኸልቢዶ እየ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ግናብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ። ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኲላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዝኣብሄር ብሴፍን ብዂናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩ ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ፡ ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ። ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኣ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግንባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ ኣተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ። በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን። ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፍ ወሱዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ። ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትኣትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጒዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘምትዎ። ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ዮርሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳን ኣንበሮ። ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረኣዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት። ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነድስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ። ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ። ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት። ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤትልሄም እየ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣሰረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ። ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ። ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተኣታተው። ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ ኣውጺኡ ንዳዊት ሀቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ። ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዂሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሐለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዂሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላው ሳኦልን ተፈተወ። ኰነ ድማ ምስ ኣተው፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ። ካብ ኲለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮ ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሀቦኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ። ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፋእ ዓይኒ ጠመቶ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፋእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ፡ ዳዊት ድማ ከም ኲሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኲናት ነበረ። ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ። እግዚኣብሄር ከኣ ሳኦል ኣግሊሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ። ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝብ ኸኣ ይወጽእን ይኣቱን ነበረ። ዳዊት ድማ ኣብ ኲሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። ሳኢል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዚዀነ ምስ ረኣየ። ንእኡ ፈርሆ። ብዘለው እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጹን ይኣቱን ነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚብሄር ከኣ ተዋጋእ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር። ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ። ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ ህይወተይከ እንታይ እዩ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ በሎ። ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት። ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ። ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊት፡ ሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ ነቶም ገላውኡ፡ ንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፡ ኲሎም ገላውኡ ድማ ፈትዮምኻ ኣለው፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ገላው ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ። ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ በለ። እቶም ገላው ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ተዛሪቡ፡ ኢሎም ነገርዎ። ሳኦል ድማ በለ፡ ንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ ብጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን፡ ዚደልዩ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ። እቶም ገላውኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይኣኸላ ድማ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረኣየን ፈለጠን። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሚኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ። ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ወጹ፡ ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኲሎም ገላው ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ። ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታን ንዂሎም ገላውኡን ንዳዊት ኪቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ። ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣቦይ ሳኦል ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ጽባሕ ተጠንቀቕ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኣግሊስካውን ተሐባእ። ኣነ ኸኣ ኣብታ ንስኻ ዘሎኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፡ ኣነ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፡ ገለ እንተ ርኤኹውን ክነግረካ እየ፡ ኢሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ። ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ። ሳኦል ከኣ ዘረባ ዮናታን ሰምዔ፡ ሳኦል ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣይመውትን እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ፡ ዮናታን ከኣ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። መሊሱ ድማ ውግእ ኰነ። ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ብርቱዕ ስዕረትውን ሰዐሮም፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ሀደሙ። እቲ ኽፋእ መንፈስ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጾ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ደለየ፡ ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፡ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ከኣ ሀዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ። ሳኦል ድማ፡ ሕልው ሐዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎስ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሐንካ፡ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ፡ ኢላ ነገረቶ። ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፡ ንሱ ኸደ፡ ሀዲሙውን ኣምለጠ። ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ መኼዳ ጽጒሪ ጤል ገበረትሉ፡ ክዳንውን ከደነቶ። ሳኦል ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ። ንሱ ሓሚሙ ኣሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራት ጌርኩም ኣደይቡለይ፡ ኢሉ ንዳዊት ኪርእይዎ ነቶም ልኡኻት ሰደዶም። እቶም ልኡኻት ምስ ኣተው ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ምስሊ ጣኦት መኼዳ ጸጒሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ። ሽዑ ሳኦል ንሚካል፡ ስለምንታይ ነቲ ጸላእየይ ኬምልጥ ይኼድ ብምሕዳግኪ ዝጠበርክኒ በላ። ሚካል ከኣ ንሳኦል፡ ንሱ፡ ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰይኑስ ክቐትለኪ እየ፡ ኢሉኒ፡ በለቶ። ዳዊት ድማ ሀዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ኸኣ መጸ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ዂሉ ድማ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ከኣ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ንሳኦል ድማ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዚመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ኪንበዩ ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ። እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ። ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለውኢሉ ጠየቐ። እንሆ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣለው፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጾ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ። ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ ኣበሳይከ እንታይ እዩ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ በለ። ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብኣለይ እዝስ ዘይኸውን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጒሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ። ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፡ ንብዘለው ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤትልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ። ደሐን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፋእ ከም ዝመደበ ፍለጥ። እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሐኒ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በለ። ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፋእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ በለ። ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒ በሎ። ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ወጹ። ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡ እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፈእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን። ገና ብህይወት እንተ ኣልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ። ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ። ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትሰኣን ኢኻ። ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብቲ እቲ ኽፋእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ ምንጎይን ኣብ ምንጎኻን እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። ንጉስ ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንሲኤ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት። ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄርን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ በሎ። ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤትልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ሊሚኑኒ፡ ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅስሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምሉቕ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ፡ በለኒ። ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ። ሽዑ ዂራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድዩ ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሐደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት እንታይከ ገይሩ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዂናቱ ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ። ፈለጠ። ዮናታን ድማ ብዂራ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስኤ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጒህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን። ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ። ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጒየ እዩ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኺጒዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሉኡ ኣሕለፈ። እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ድላጻ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን በሎ። ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጾ። ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ። እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጽ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ ኣተወ። ዳዊት ድማ ናብቲ ኻህን ኣሂሜሌክ ናብ ኖብ መጸ። ኣሂሜሌክ ከኣ ራዕራዕ እናበለ ንዳዊት ኪቃባበሎ መጸ፡ ከምዚ ኢሉውን ጠየቆ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብ ዜብልካ በይንኻ በሎ። ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሂሜሌክ፡ ንጉስ፡ እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ፡ ኢሉ ኣዚዙኒ እዩ እሞ ነቶም ኣጒባዝ ናብ ከምዝን ከምዝን ዝበለ ቦታ ኣመልከትክዎም። ሕጂ ኸኣ ኢድካ ኣብ እንታይ ኣሎ ሓሙሽተ እንጌራ ወይስ እተረኽበ ኣብ ኢደይ ሀበኒ፡ በሎ። እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት፡ ማንም ዚበልዖ እንጌራ ኣብ ኢደይ የልቦን፡ እቶም ኣጒባዝ ካብ ኣንስቲ እንተ ተሐልዮም ግና፡ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ ብሓቂ ኣንስትስ ካብ ትማሊን ቅድሚ ትማልን ካባና ፍሉያት እየን፡ ኣቓሑ እቶም ኣጒባዝ ድማ በታ ዝወጻኡኩላ ጊዜ ቅዱስ ነበረ፡ እታ መገዲ እኳ ዝይቅድስቲ እንተ ዀነት፡ ሎምስ በቲ ኣቓሑ ትቕደስ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ኻህን ከኣ፡ ብዘይ እት ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተላዕለ እንጌራ ምርኣይ፡ በታ እተላዕለላ መዓልቲ ውዑይ እንጌራ ምእንቲ ኼንብሩ፡ ኣብኡ ኻልእ እንጌራ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ቅዱስ እንጌራ ሀቦ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብ ገላው ሳኦል ዶኤግ ዝስሙ ኤዶማዊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሂሕሎ ኣብኡ ነበረ፡ ንሱ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ። ዳዊት ድማ ንኣሂሜሌክ፡ እቲ ናይ ንጉስ ነገር ስለ ዝሀወኸ፡ ሴፈይን ኣጽዋረይን ኣይተማላእኩን እሞ፡ ገለ ዂናት ወይ ሴፍ ኣብዚ ኣብ ኢድካዶ የልቦን በሎ። እቲ ኻህን ድማ፡ ሴፍ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ድዋ ዝቐተልካዮ ጐልያድ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ፡ እንሆ፡ ንሱ ብዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፎድ፡ ኣብኡ ኣሎ፡ ኣብዚ ብጀካኡ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሌኻስ፡ ውሰዶ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ ከምኡ ዝበለ የልቦን፡ ሀበኒ፡ በለ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሀዲሙ፡ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት መጸ። ንኣኪሽ ከኣ እቶም ገላውኡ፡ እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ሃገር ደይኰነን እቲ፡ ሳኦል ሽሒ፡ ዳዊት ከኣ እልፉ ቐተለ፡ ኢለን እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፡ እዚ ደይኰነንበልዎ። ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፡ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ከኣ ኣዝዩ ፈርሆ። ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ህልዋቱ ለወጠ፡ ኣብ ኢዶም ድማ ከም ዕቡድ ኰነ፡ ንመዓጹ እቲ ደገውን ሐንፈጦ፡ ልዛዩ ኸኣ ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ። ሽዑ ኣኪሽ ንገላውኡ፡ እንሆ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣሎኹም፡ ስለምንታይ ናባይ ኣምጻእኩምዎ ኣብ ቅድመይ ኪዐብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ በሎም። ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ ናብ በዓቲ ኣዱላም ሀደመ። ኣሕዋቱን ብዘለው ቤት ኣቡኡን እዚ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ናብኡ ወረዱ። ኲሎም ጭኑቓት ሰብን ኲሎም ሰብ ዕዳን ኲሎም ነፍሶም እተመረረት ሰብን ናብኡ ተኣከቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለቓ ዀነ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ከኣ ምስኡ ነበሩ። ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ሚጽጳ ናብ ሞኣብ ከደ፡ ንንጉስ ሞኣብ ከኣ፡ ኣምላኽ ዝገበረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ኪዀኑ ይምጽኡ፡ በሎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምጽኦም፡ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልታት ከኣ ምስኡ ተቐመጡ። ነብዪ ጋድ ድማ ንዳዊት፡ ኣብዚ እምባ ኣይትቀመጥ፡ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ። ሳኦል ድማ፡ ንዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተጋህዱ፡ ሰምዔ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፡ኲሎም ገላውኡ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለው ገላውኡ፡ ኣቱም ብንያማውያን፡ እስከ ስምዑ፡ ወዲ እሴይሲ ንዂሉኹምዶ ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ ንዂሉኹምዶኸ ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ ንዂሉኩምዶኸ ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ኪገብረኩም እዩ ኲሉኹም ደኣ እተማሓሐልኩምለይ እዩ። ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የልቦን። ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ናይ ሎሚ ንምድባቕ ኬተንስኣለይ ከሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝሐመመለይን ዝገለጸለይን የልቦን፡ በሎም። ሽዑ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ፡ ምስቶም ገላው ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣኒሜሌክ ወዲ ኢሉ ዝነበሩ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ፡ ኣብ ኖብ መጺኡ ርእየዮ። ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፡ ምግቢውን ሀቦ፡ ሴፍ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ሀቦ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንብዘላ ኣቦኡ፡ ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናትን ልኢኹ ጸውዖም። ኲሎም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ። ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ እስኪ ስምዓኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ሳኦል ድማ፡ ንሱ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ፡ ንድብቕ ኪትንስኣኒ፡ ንእኡ እንጌራን ሴፍን ብምሃብካ፡ ኣብ ክንዳኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፡ ስለምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን እተማሓሐልኩምለይ በሎ። ኣሂሜሌክ ከኣ ንንጉስ፡ ካብ ኲሎም ገላውኻኸ ከም ዳዊት ገይሩ እተኣምነ፡ ሓሙ ንጉስውን ዝዀነ፡ ዚእዘዘካ ድማ፡ ኣብ ቤትካውን ዝኸበረ፡ መን እዩ ሎሚ ድየ ንኣምላኽ ክጥይቐሉ ዝጀመርኩ እዝስ ካባይ ይርሐቕ፡ ጊልያኻ እዚ ዂሉ ነገር እዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ፡ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ነገር ኣይጽዓኖም፡ ኢሉ መለሰሉ። ንጉስ ግና፡ ኣሂሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቘሙ ዘብዔኛታት፡ ዳዊት ከም ዝሀደመ ፈሊጦም ከለው ስለ ዘይነገሩኒ፡ ኢዶምውን ምስኡ ስለ ዝዀነት፡ ዜርኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም፡ በሎም። እቶም ገላው ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ኪዝርግሑ ኣይፈተውን። ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶኤግ፡ ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ቅተሎም፡ በሎ። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ድማ ዞይሩ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ዝለበሱ ሰባት ቀተለ። ንኖብ ነታ ኸተማ ኻህናት ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዓ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚጠብው ሕጻናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ሓደ ኽብቶም ደቂ ኣሂሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጡብሲ፡ ኣብያታር ዝስሙ ኣምሊጡ ደድሕሪ ዳዊት ሀደመ። ኣብያታር ከኣ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ። ዳዊት ድማ ንኣብያታር። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ እዚ ንሳኦል ርግጽ ከም ዚነግሮ፡ ሽዑ መዓልቲ ፈሊጠ። ንዂለን ነፍሳት ቤት ኣቦኻ ምኽንያት ሞተን ኣነ እየ። እቲ ንነፍሰይ ዚደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋ፡ ኣዕውዲውን ይወርሩ ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕና፡ በሎ። ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰብ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግና ኺገድድ ደይኰነን በልዎ። ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ከብቶም ድማ ዘመተ፡ ብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዐሮም። በዚውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዚነብሩ ኣድሐኖም። ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜሌክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሀደመ፡ ኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ። ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ነገርዎ። ሳኦል ከኣ፡ ናብቲ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዐጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡በለ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ንሰቡን ኪኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኺዋግኡ ናብ ቅዒላ ኺወርዱ ኣወጀሎም። ዳዊት ግና ሳኦል ክፋእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር፡ ኤፎድ ኣምጽእ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዚደሊ፡ ባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ። ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖ፡ ሳኦልዶ ኺወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኪወርድ እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ኪህቡኒ እዮም በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም፡ በለ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰብን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ፡ ኪኸድዎ ናብ ዝኽኣሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱ። ንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ ምውጻእ ሐደጎ። ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኲሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን። ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኺደልያ ኸምዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ፡ ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ። ንሱ በሎ፡ ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተው። ዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠ፡ ዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊልዓ ደዪቦም ከምዚ በሉ፡ ዳዊት ኣባና ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዂርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ኹሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ። ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም። ንሱ ኣዝዩ ጐራሕ ከም ዝዀነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዮ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን። እቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕብኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኲሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኽደልዮ እየ። ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዐበ። ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሀደመ። ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዎ ኣለው እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ። ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ። ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔገገዲ ተቐመጠ። ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔንገዲ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ሳኦል፡ ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለበዱ፡ ኺደልዮም ከደ። ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸ፡ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ፡ ሳኦል ድማ እግሩ ኪኸድን ኣተው። ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። ሽዑ እቶም ሰብ ዳዊት፡ እታ እግዝኣብሄር፡ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ዝበለካ መዓልቲ እንሃ፡ ሎሚ እያ፡ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ። ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ንዳዊት ልቡ ወቕዖ። ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎም። ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዐገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ መገዱ ኸደ። ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዔ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንክፋእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሀበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሐፍኩኻ። ኣቦየ፡ ርኤ፡ እወ፡ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ፡ ርኤ፡ ጫፍ ክዳንካ ክቘርጽ ከሎኹ፡ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኰነ፡ በደል ኰነ ኸም ዜልቦ ፍለጥን ርኤን። ንስኻ ኸኣ ንነፍሰይ ክትወስድ እትደሊ ኽነስኻስ፡ ኣባኻ ኣይሓጣእኩን። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ፡ ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ። ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞት፡ ክፋእ ካብቶም ክፋኣት ይወጽእ፡ ዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ። ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ ንምውት ከልቢ፡ ንሓደ ቘንጪ። ስለዚ እግዚኣብሄር ዳኛ ዀይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ ንሱ ኸኣ ርእዩ ንነገረይ ይከላኸለለይ፡ ፈሪዱ ድማ ካብ ኢድካ የድሕነኒ። ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት እዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ሳኦል፡ እዚ ቓል እዚ ቓልካ ድዩ ወደይ ዳዊት ኢሉ ድማ፡ ሳኦል ዓው ኢሉ በኸየ። ንዳዊት ከኣ በሎ፡ ኣነ ኽፋእ እናገበርኩኻ፡ ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉኒ ኽነሱስ፡ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ጽቡቕ ከም ዝገበርካለይ፡ ሎሚ ኣርኤኻ። ሰብ ንጸላኡኢ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ መገዱ ይሰዶ ስለዚ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ከም እትነግስ፡ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ኢድካ ኸም እትቐውም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ሕጂ ኸኣ፡ ብድሕረይ ንዘርኤይ ከይተጽንቶ፡ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍኦ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐለለይ። ዳዊት ድማ ንሳኦል መሐለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ናብ እምባ ደየቡ። ሳሙኤል ድማ ሞት። ብዘለው እስራኤል ከኣ ተኣኪቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ። ሓደ ሰብኣይ፡ ተግባሩ ኣብ ቀርሜሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕ፡ ሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ጊዜ ቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ። ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባል፡ ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ።እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ። ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዔ። ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጒባዝ ለኣኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጒባዝ ለኣኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጒብዝ በሎም፡ ናብ ቀርሜሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተው እሞ ብስመይ፡ ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ በልዎ። ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትኻ ሰላም፡ ንዘሎካ ዂሉውን ሰላም። ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለውኻ ሰሚዔ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ኹሉ ጊዜ ኣየስተሐፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን። ንገላውኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ኪነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጺእና ኣሎን እሞ፡ እዞም ኣጒባዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላውኻን ንወድኻ ዳዊትን ሀቦም። እቶም ገላው ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገር እዚ ኹሉ ብስም ዳዊት ነናባል ነገርዎ፡ ስቕ ከኣ በሉ። ናባል ድማ ነቶም ገላው ዳዊት፡ ዳዊት መን እዩ ወዲ እሴይከ መን እዩ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላው ብዙሓት እዮም። እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ገላው ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱ። መጺኦም ድማ እዚ ነገር ዥእዚ ኹሉ ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዐጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዐጥቀ። ደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ። ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጒባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረኻ ንጐይታና ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ስጐጎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሀፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዂሉ ጊዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን። እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኲሉ ጊዜ መካበቢያ ዀይኖምና ነበሩ። ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፋእ ተመዲብዎ ኣሎ፡ ስለዚ ርኣዪ፡ እትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ። ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራን ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ። ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን። ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኽውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኪቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም። ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኲሉ ኣብ በረኻ ዘለዎ ዂሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦ፡ ንኸንቱ ጥራይ ሐሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፋእ መለሰለይ። ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዂሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ሐዲገስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም። ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ኣድጊ ወረደይ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት። ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረቦ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ። ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጒባዝ ኣይርኤኽዎምን። ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሐነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፋእ ዚደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ። ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጸ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጒባዝ ይወሀብ። ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፋእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሐሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ። ሰብ እኳ ኺሰጐካን ንነፍስኻ ኺደልን እንተ ተንስኤ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዂሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ኣዘዘካ፡ እቲ ንጽህ ደም ምፍሳሰን ሕነ ምፍዳይ ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኽንካ። እግዚኣቢሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ ፡ ንገረድካ ዘክረኒ። ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ። ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ። ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ። ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስ፡ ርኣዪ፡ ዘረባኺ ሰሚዔ፡ ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ፡ በላ። ኣቢጋል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሐጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽብሒቱ ኽሳዕ ዚበርህ፡ ይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጻሉ፡ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡ ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚኣክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደይ ዝፈረደለይ፡ ንባርያኡውን ክፋእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉ፡ በለ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ልኢኹ ተዛረባ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹና፡ ኢሎም ነገርዋ። ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍኤት፡ እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላው ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት። ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ኣድጊ ድማ ተወጥሔት፡ ሓሙሽተ ኣግራድ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደት፡ ሰበይቱ ኸኣ ኰነት። ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳ፡ ክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና። ሳኦል ግና ጓሉ ሚካል፡ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንፋልጢ ወዲ ላይሽ ብዓል ጋሊም፡ ሂብዎ ነበረ። እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መጺኦም፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር በረኻ ዘሎ ዂርባ ሓኪላዶ ተሐቢኡ ኣየሎንበልዎ። ሽዑ ሳኦል፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ካብ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ሒዙ፡ ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ። ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር በረኻ ኣብ መገዲ ዘላ ዂርባ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ በረኻ ኸም ዝመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ዳዊት ሰለይቲ ሰዲዱ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጾ፡ ፈለጠ። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ፡ ናብቲ ሳኦል ሰፊርዋ ዘላ ቦታ መጸ። ዳዊት ድማ ሳኦልን ኣብኔርን ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዚድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት ደቀሰ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ። ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሚሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ። ዳዊትን ኣቢሳይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኲናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ። ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ። ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን ኣሎ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪድ ይጠፍእ። ኢደይ ናብቲ ቅቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዂሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረኣየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሔውን የልቦን። ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሐለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ። ዳዊት ኸኣ ነቶም ህዝቡን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስን ዶ ኢሉ ጸውዔ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ ኢሉ መለሰ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብኣይ ደይኰንካን ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሐሎኻዮ እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሐሎኹምዎ፡ ነስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኤ። ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ወደይ ዳዊት፡ እዚ ድምጽኻ ድዩ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እወ ጐይታይ ንጉስ፡ ድምጸይ እዩ፡ በለ። ወሲኹ ድማ በለ፡ እንታይ ገይረ እየ ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፋእ ተረኺቡኒ እዩ ስለምንታይ ደኣ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጎ ዘሎ እምበኣር ሕጅስ በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ። እቲ ናባይ ዝደረኸካ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ምዕዝ መስዋእቲ ይተዐጠነሉ፡ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ ርስቲ እግዚኣብሄር ክፍሊ ኸይረክብሲ፡ ኪድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ ኢሎም፡ ሎሚ ሰጒጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ሕጂ ኸኣ ንቖቓሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚህደን፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቘንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ደመይ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ። ሽዑ ሳኦል፡ ኣነ በዲለ እየ፡ ወደይ ዳዊት፡ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፡ ደጊም ክፋእ ኣይገብረካን እየ እሞ፡ ተመለስ፡ እንሆ፡ ተጸሊለ ኣዝየ ተጋጌኹ፡ በለ። ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እቲ ዂናት ንጉስ እንሆ፡ ካብቶም ኣጒባዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ። እንሆ ድማ፡ ከምቲ ነፍስኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትኽበት፡ ካብ ኲሉ መከራውን የድሕነኒ። ሽዑ ሳኦል ንዳዊት፡ ኣታ ወደይ ዳዊት፡ ብሩኽ ኩን። ምግባርሲ ኽትገብር ኢኻ፡ ብርግጽውን ከተስልጦ ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ድማ መገዱ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ። ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዚሐይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሐድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕን፡ በለ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብን፡ ናብ ኣኪሽ፡ ወዲ ማዖክ ንጉስ ጋት፡ ተሳገረ። ዳዊትን ሰቡን ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ዳዊትውን ምስ ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ብዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባልን፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጡ። ሳኦል ድማ፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ መሊሱ ኣይደለዮን። ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኣነ ኣብኣ ክቕመጥ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሀበኒ፡ በሎ። ኣኪሽ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ጺቅላግ ሀቦ። ስለዚ ጺቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንነገስታት ይሁዳ ዀነት። ቊጽሪ እተን ዳዊት ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት ከኣ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኰነ። ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኻብቲ ንሹር እተእቱ ኽሳዕ ምድሪ ግብጺ ዘላ ሃገር ተቐሚጦም ነበሩ። ዳዊት ከኣ ነታ ሃገር ኣጥፍኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዀነት ድማ ብህይወት ኣይሐደገን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ግና ወሰደ፡ መሊሱ ድማ ናብ ኣኪሽ መጸ። ኣኪሽ ከኣ፡ ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም በለ። ዳዊት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ይሁዳን ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያንን ኣብ ደቡብ ቄናውያንን፡ በለ። ዳዊት ከምዚ ገበረ፡ በቲ ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ዂሉ ጊዜ ድማ ልማዱ ኸምዚ ነበረ፡ ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፡ ዳዊት ናብ ጋት ኣየምጽኦምን፡ ንሰብኣይ ኰነ ንሰበይቲ ዀነትውን ብህይወት ኣይሐደጎምን። ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ ኣብ ህዝቡ እስራኤል ኣዝዩ ተጸሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪዀነኒ እዩ፡ ኢሉ ኣመኖ። ኰነ ኸኣ፡ በቲ ጊዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣኪሽውን ንዳዊት፡ ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ከም እትወጹ ብርግጽ ፍለጥ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ እምበኣር እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ንስኻ ኽትርኢ ኢኻ፡ በሎ። ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ እምበኣር ኲሉ ጊዜ ሐላው ነፍሰይ ክገብረካ እየ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ሃገር ሰጒጒዎም ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ ፈርሄ፡ ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። ሽዑ ሳኦል ንገላውኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላውኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔንዶር ኣላ፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ኽዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቊልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽበቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ በለቶ። ሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኽበኪ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስኣልካ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል ኣተንስእለይ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረኣየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳሎ፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ ኢላ ዓው ኢላ ጨደረት። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣሎኹ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ኣሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለው፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመለሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ በለ፡ እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ ጻላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ እግዚኣብሄርሲ ኸምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ። ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ነዱድ ኲራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ነገር እዚ ገበረካ። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልቲን ምልእቲ ለይትን ከኣ ኣንጌራ ኣይበልዔን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺኣ፡ ኣዝዩ ኸም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተኣዘዝኩ። ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቊራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜካ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይበልዕን፡ ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላውኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሐረደቶ፡ ሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት። ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲኣውን ከዱ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ብዘሎ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤልውን ኣብ ይዝርኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ተጓዕዙ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ደጀን ኰይኖም ይጐዐዙ ነበሩ። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዞም እብራውያን እዚኣቶም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለው በሉ። ኣኪሽ ድማ ንሸማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዝስ እቲ በዘን መዓልትታት ወይ በዘን ዓመታት እዚኤን ምሳይ ዝነበረ ዳዊት፡ ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኰነን ካብታ ናባይ እተጸግዓላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ በሎም። ኣቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ኰረዩሉ እሞ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን በልዎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ኪቕመጥሲ፡ ናብኣ ምለሶ። እዚ ንጐይታኡ ደኣ ብምንታይ እዩ ዘሐጐሶ ብርእሲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኣይኰነን እምበኣር ኣብ ውግእ ተጻራሪ ምእንቲ ኸይኰነናስ፡ ናብ ውግእ ምሳያ ኣይውረድ። እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ፡ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኰነን ሽዑ ኣኪሽ ንዳዊት ጸዊዑ፡ ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝዀንካ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ ኽፋእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፡ ኣብዚ ሰራዊት ምሳይ ምእታውካን ምውጻእካን ባህ ይብለኒ ነይሩ፡ ነዞም ሹማምቲ ግና ባህ ኣይበልካዮምን። እምበኣር ሕጂስ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ዜጒሂ ኸይትገብርሲ፡ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ እንታይ እሞ ገይረ እየ ከይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእሲ፡ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝዀንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ጊልያኻ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ በሎ። ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ከም ዝዀንካ እፈልጥ ኣሎኹ፡ እዞም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ደኣ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ፡ ኢሎም። ሕጂ ኸኣ፡ ጽባሕ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላው ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ጽባሕ ኣንጊህኩም ተንሲእኩምሲ ምስ በርሀልኩም ኪዱ፡ ዳዊት ከኣ ንሱን ሰቡን ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለሱ፡ ንግሆ ኺነቕሉ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ። ኰነ ድማ፡ ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖምወን ነበሩ፡ ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዂሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፡ ግናኸ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን። ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ብሓዊ ነዲዳ። ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ። ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ። ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስን ከኣ ተማሪኸን ነበራ። ነፍሲ ኲሉ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ እተመረረ፡ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ። ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር፡ ወዲ ኣሂሜሌክ፡ በጃኻ ኤፎድ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ። ዳዊት ድማ፡ ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ ከርክቦዶኸ እኽእል እየ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዐቦም፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፡ ኣብ ርባ በሶር ምስ በጽሑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብኡ ጸንሑ። ክልተ ሚእቲ ሰባት ንርባ በሶር ምስጋር ክሳዕ ዚስእኑ ደኺሞም ድሕሪት ተረፉ፡ ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰዐቡ። ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎ። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቊራስ ጐጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ። ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎ። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቊራስ ጐጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ። ዳዊት ድማ፡ ንስኻ ናይ መን ኢኻ ካበይከ ኢኻ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ግብጻዊ ወዲ፡ ጊልያ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ሰለስተ መዓልቲ ገይረ እየ እሞ፡ ጐይታይ ሐዲጉኒ፡ ንሕና ኣብ ደቡብ ከሬጣውያንን ኣብቲ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ ካሌብውን ሓደጋ ወደቕና፡ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ተኰናያ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራዶ ተውርደኒ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራ ኸውርደካስ፡ ከይትቐትለኒ፡ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፡ ብኣምላኽ ምሐለለይ፡ በለ። ንሱ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እንሆ፡ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። ዳዊት ድማ ጽልግልግ ኪብል ከሎ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምሸት ይቐትሎም ነበረ። ብጀካ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተወጢሖም ዝሀደሙ ኣጒባዝ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። ዳዊት ከኣ ነቲ ኣማሌቃውያን ውሲዶምዎ ዝነበሩ ዂሉ ኣምለሶ፡ ዳዊት ንኽልቲኤን ኣንሱቱውን ኣምለሰን። ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ካብ ኣወዳት ኰነ፡ ካብ ኣዋልድ፡ ካብ እተዘምተ ዘበለ ኽሳዕ ኲሉ ወሲዶምዎ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይጐደሎምን። ዳዊት ንዂሉ ኣምለሶ። ዳዊት ድማ ንዂለን ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፡ ንኣታተን ከኣ ቀቅድሚ እተን ካልእ ከብቲ ኸብኪቦም፡ እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን፡ በሉ። ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰብኣይ መጸ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ፡ ደሓን ምህላዎም ሐተቶም። ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ክፋኣት ዘበሉ፡ ናይ ብልያል ሰባት፡ ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብዚ ዘምለስናዮ ምርኮስ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቱን ደቁን ይሐዝ እሞ መገዶም ይኺዱ፡ ኢሎም መለሱ። ዳዊት ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እግዚኣብሄር ሐልዩናን ነቲ መጺኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝሀበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ። በዚ ነገር እዚ ደኣ መን ኪሰምዓኩም ከም ግደ እቶም ናብ ውግእ ዝወረዱ፡ ግደ እቶም ኣብ ኣቓሑ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ከምኡ እዩ እሞ፡ ማዕረ ገይሮም ይማቐሉ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዚ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ። ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ ኸኣ፡ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ፡ ካብ ምርኮ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር እንሆልኩም ገጽ በረኸት፡ ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም። ነቶም ኣብ ቤትኤል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ያቲር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሖርማ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኮርዓሾን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን እተማላለሱለን ኲለን ቦታታት ዝነበሩን ሰደደሎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተዋጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልቦዕ ወደቑ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሳኦልን ንደቁን ስዒቦም እግርእግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማሌኪሹዓን ቀተልዎም። እቲ ውግእ ከኣ ንሳኦል በርትዖ፡ ፍላጻ ዚውርውሩ ሰባት ድማ ኣርከብዎም እሞ፡ በቶም ወርወርቲ እምብዛ ተጨነቐ። ሳኦል ድማ ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት መጺኦም ወጊኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ መስት እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣበየ። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ጋሻ ዛግሬኡን ኲሎም ሰቡን ብሓደ ሞቱ። እቶም ኣብ ስግር ኣቲ ለሰን ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ከኣ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሐዲጎም ሀደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን። ኰነ ኸኣ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። ርእሱ ቘሪጾም ከኣ ኣጽዋሩ ገፈፉ። ኣብ ቤት ጣኦታቶምን ኣብቲ ህዝብን ኬበስሩ ድማ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ፡ ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቀጽሪ ቤትሻን ሰቐልዎ። እቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሶኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ኲሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሐዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤትሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ። ነቲ ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡ ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ∶: በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ አግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ድማ ዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም በለ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ∶: በሎ። እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጌልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ። ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ∶: በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና ህያው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ። ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቲ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንዝህቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ። ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ከመይ ዘይፈራህካ∶: በሎ። ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቖኦ፡ ሞተ ኸኣ። ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም፡ ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ። ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዩ። ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ከም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ክኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን። ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን። ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራት ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፈላለዩን። ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበስክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ። እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ። ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ። እዞም ጀጋኑኸ ከመይ ኢሎም ወደቑ። ኣጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ። ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ዳዊት፡ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓንቲዶ ኽድይብ∶: ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይብ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ∶: በለ። ሽዑ ዳዊትን ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓምን ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቄርሜሎስን፡ ኮይኖም ናብኣ ደየቡ። ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ፡ ኣደየቦም፡ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ከኣ ተቐመጡ። ሰብ ይሁዳ ድማ መጺኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ። ሽዑ ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ያቤሽጊልዓድ እዮም፡ ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ያቤሽጊልዓድ ልኡኻት ሰዲዱ ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ፡ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም። ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር። ኣነ ድማ ስለ እዚ ዝገበርኩምዎ ነገር ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ። ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ግናኸ ንኣይ ቤት ይሁዳ፡ ንጉሶም ክኸውን፡ ቀቢኦምኒ እዮም፡ እምበኣርሲ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ። ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም ኣሳገሮ፡ ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ። ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ጥራይ ደድሕሪ ዳዊት ሰዐበት። እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ ዘበን ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እዩ። ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦልን ድማ ካብ ማሓናዪም ናብ ጊብዖን ወጹ። ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ገላዉ ዳዊትን ከኣ ወጺኦም ኣብ ቀላይ ጊብዖን ንሓድሕዶም ተራኸቡ። እዚኣቶም ነቲ ቐላይ በዚ ሓደ ወገኑ፡ እቲኣቶም ከኣ ነቲ ቐላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ። ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ፡ በጃኻ እዞም መንእሰይ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይጻወቱ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ይተንስኡ፡ በለ። ሽዑ ተንሲኦም ብቚጽሪ ናይ ብንያምን ናይ ኢሽቦሽት ወዲ ሳኦልን ዓሰርተው ክልተ፡ ካብ ገላዉ ዳዊትውን ዓሰርተው ክልተ ሐለፉ። ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ ሴፉ ኣብ ጐድኒ ብጻዩ ሸከተ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ብሃደ ወደቑ። ስለዚ እታ ቦታ ሔልቃትሃሪጹም ተባህለት፡ ንሳ ኣብ ጊብዖን እያ ዘላ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ ኣዝዩ በርትዔ፡ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ። ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ጽሩያ ዮኣብን ኣቢሻይን ዓሳሄልን ነበሩ። ዓሳሄል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሶስሓ እግሩ ፈኲሽ ነበረ። ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዐበ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ንምስዓብ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግለሰን። ሽዑ ኣብኔር ገጹ መሊሱ፡ ንስኻ ዓሳሄል ዲኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ኣብኔር ድማ፡ ንየማንካ ወይ ንጸጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፡ ንሓደ መንእሰይ ሒዝካስ ኣጽዋሩ ውሰድ፡ በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬልግስ ኣይፈተወን። ኣብኔር ድማ ከም ብሓድሽ ንዓሳሄል፡ ካብ ምስዓበይ ኣግልስ፡ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ዘጣብቐካ∶: ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገጸይ ናብ ሃውካ ዮኣብ ከልዕል እየ∶: በሎ። ንሱ ግና ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣብኔር ብሓንካሾ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ብድሕሪኡ ወጸ፡ ኣብኡ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ኰነ ድማ፡ ናብ ሳታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ። ዮኣብን ኣቢሻይን ግና ንኣብኔር ሰጐጒዎ። ኣብታ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን፡ ኣብ መንጽር ጊያሕ ዘላ ዂርባ ኣማ ምስ በጽሑ፡ ጸሐይ ዐረበት። ደቂ ብንያም ከኣ ደድሕሪ ኣብኔር ተአኪቦም፡ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዂርባ ደው በሉ። ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ ጸዊዑ፡ ኣታ፡ ሴፍዶ ንሓዋሩ ኺውሕጥ እዩ∶: ንዳሕራዩ መሪር ከም ዝኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ∶: ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስጓጒ ኣሕዋቶም ኪምለሱ ዘይትእዝዝከ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ∶: በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ህያው ኣምላኽ እዩ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምስጓጒ ሓዉ ቕድሚ ጽባሕ ንግሆ ኣይምተመልሰን፡ በለ። ሽዑ ዮኣብ መለኸት ነፍሔ፡ ኲሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ፡ ድሕርዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣይሰጐጐን፡ መሊሶምውን ኣይተዋግኡን። ኣብኔርን እቶም ሰቡን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብመልኣ ብጐልጐል ክይድ ሐዲሮም ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ንብዘላ ቢትሮን ሐሊፎም ድማ ናብ መሓናይም አተዉ። ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስጓጒ ተመልሰ፡ ንዂሉ ህዝቢ ምስ አከቦ ድማ፡ ካብ ገላዉ ዳዊት ዓሰርተው ትሽዓተ ሰብኣይን ዓሳሄልን ጐደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ግና ካብ ብንያም ካብ ናይ ኣብኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ። ንዓሳሄል ከኣ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤትልሄም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሐዲሮም፡ ኣብ ኬብሮን ወግሓሎም። እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዔ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት። ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ። እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓልቲ ቀርሜሉስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሰሎም፡ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ፡ ንጉስ ጌሹር፡ እዩ። እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ። እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዒግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዩትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ካብ ኬብሮን ተወልዱሉ። ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ሳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ። ሳኦል ከኣ ረጽዓ ዝስማ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝአቶኻ∶: በሎ። ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ∶: ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር ኣሎኹ፡ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሀብኩኻን፡ ንስኻ ግና ሎሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ እኳ ኪዛረቦ ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ፡ እዛ ሃገር ንመን እያ∶: በለ። ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እአቱ፡ ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻ፡ በለ። ዳዊት ድማ ናብ ኢሽቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምከሰለይ፡ በሎ። ኢሽቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽ፡ ወሰዳ። እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ኪኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዐባ። ሽዑ ኣብኔር፡ ኪድ፡ ተመለስ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተመልሰ። ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኪኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም። እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት፡ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ፡ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበ። ኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ኪዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ። ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹ። ዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም። ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺአትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፡ ተንሲኤ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ብሰላም ድማ ኸደ። እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን። ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ አተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ከኣ ኣፋንይዎስ፡ ብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ። ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ∶: እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ አኻ ፈጺሙ ኪኸይድ ዝሓደግካዮ∶: ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኮንካን∶:ንሱ ኼዐሽወካ ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ክፈልጥን፡ ንስኻ ትገብሮ ኩሉውን ኪፈልጥ ከምዝመጸ፡ ትፈልጥ ኣሊኻ፡ በሎ። ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደ፡ ካብ ሓጽቢ ሲራ ከኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን። ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣን ኣብ በይኑ ኽዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦ ፡ ሞተ ኸኣ። ድሕሪዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዔ እሞ፡ ኣነን መንግሰተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ንጹሃት ኢና። እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፡ ኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጃጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዚምርኮስ ወይ ብሴፍ ዚወድቕ ወይ እንጌራ ዚጎድሎ ኣየቋርጽ፡ በለ። ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብ ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ን ኣብኔር ቀተልዎ። ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን፡ ክዳውንትኽሪም ቅደዱ፡ ከሊ ውን ተኸደኑ፡ ቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩ፡ በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ። ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፡ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዕው ኣቢሉ በኸየ፡ ኩሎም ህዝቢ ውን በኸዩ። ንጉስ ድማ ን ኣብኔር፡ ከምዚ ኢኩ ኣልቀሰሉ፡ ኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት∶: ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ ኣእጋርካውን ብመቑሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዚወድቕ ወደቕካ። ዘለዉ እቶም ህዝቢ በኸዩዉ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኸብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግና፡ ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ኾነ ወይ ዝኾነ ኹሉ እንተ ጠዓምኩ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ወን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሓለ። ኩሎም እቶም ህዝቢ ከኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ኹሉ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም። እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ። ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ፡ ሎሚ መዓልቲኣብ እስራኤል መሳፍንን ዓብዩ ሰብን ከምዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶: ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተተቐባእኩ፡ ድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም። ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣእዳዉ ዘርጋሕ በለ፡ ብዘ።አዉ ኣስራኤል ሰምበዱ። ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብ፡ ሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓና፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቑጸር። እቶም ብኤሮታውያን ናግ ጊታዩ ሃዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ኣለዉ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጎድኤ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጉዚት ድማ ሒዛቶ ሃደመት። ኮነ ከኣ፡ ቀልጢፋ ኽትሃድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኮነ። ስሙ ከኣ መፍቦሸት ተባህለ። እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ከዱ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ ኢሽቦሽት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ። ስርናይ ዝወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬዳካብን ናዕና ሓዉን ኣምለጡ። ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ሰብ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቐተልዎ፡ ርእሱ ቖረጹ። ርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ መዓልቲ ብመገዲ ጎልጎል ከዱ። ርእሲ ኢሽቦሽት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽቦሽት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽቦሽት፡ ወዲ እቲ ነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጎይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ በልዎ። ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉን፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ እቲ ንነብሰይ ካብ ኩሉ ጸበባ ዘድሓና፡ ነቲ ዘበሰረ መዊልዎስ፡ እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ፡ ኢሉ ዝነገረኒ፡ ብስራቱ ንምኽፍል ሒዘ ኣብ ጸቅላግ ቀተልክዎ። ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰባት ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ድሙ ኸኣ ኣእዳውይኩምዶ ኣይደልዮን∶: ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ∶: ዳዊት ድማ ንገላዉኡን ኣዘዞም፡ ንሳቶም ከኣ ቀተልዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቆራረጽዎም፡ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢሽቦሽት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ። ሽዑ ብዘለዉ ነገድ እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ካብ ቐደም፡ ሳኦል ኣብ ልዕሊና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እትእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድም ናኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጋሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትጀዉን ኢኻ፡ ኢሉካ ኢዩ፡ በልዎ ኩሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን ምጱ፡ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብኤር ምስታቶም ኪዳን አተወ። ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ። ዳዊት ክነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርባዓ ዓመት ከኣ ነገሰ። ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ ዮሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ንጉስን ሰብን ድማ ናብ ዮርሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ይቡሳውያን ኪዋግኡ ኸዱ። ንሳቶን፡ ንዳዊት ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኽሰጉኻ እዮም በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይኪኣቱን ኢዩ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ፡ ሓዛ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐረበ ዘበለ ናብቲ መትረብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን ይቕተሎም፡ በለ። ስለዚ ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤት ኣይእተዉ፡ ተባህለ። ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብዉሽጣን ነደቓ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ። እናዓበየ ኸደ። ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ሕጸን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሃነጸሉ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄርስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸምዘጽንዖ፡ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዐለ። ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ፡ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ። እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ይብሓርን ኤሉሹዓን ነፈግን ይፈዓን፡ ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኢልፈለጥን። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ∶: ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ናብ በዓልጶራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዐሮም። ማይ ከም ዚብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል ጶራጺም ኣውጽኣላ። ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሐደጉ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዐልዎም። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ። ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሐተቶ፡ ንሱ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦም፡ ብድሕሪኦም ደኣ ዙሮም፡ ብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዚረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበረ፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌባዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትአትወላ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሐርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ባኦሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምልእኽ ካብ በዓለይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓዲሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓዲሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ። ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕንጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ። ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኸምቲ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽዑዛ ኢሉ ሰመያ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ∶: በለ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን። እቲ ታቢት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ። እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድኤዶምን ንዘለዎ ዂሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎምንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ዳዊት ኣደየቦ። ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ። ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ቅብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ። ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ። ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት። ዳዊት ከኣ ንሚካል፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ብዘላ ቤቱን ዝሐረየኒ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ። ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ፡ በለ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡ እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ አሎ፡ በሎ። ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ∶: ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል እተማላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ክጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ∶: ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጉሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጽእእኩኻ። ኣኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ። ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ ኣሎ። ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ ኣሎ። መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ምዘለኣለም ከጽንዓ እየ። ኣነ ኣቦ ክዀኖ፡ ንሱ ድማ ወዲ ክዀነኒ እዩ። እንተ በደለ፡ ኸኣ፡ ብሻቦጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ። ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኲሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን። ቤትካን መንስግትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ። ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ከይሩ ንዳዊት ተዛረቦ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ∶: ቤተይ እንታይ እያ∶: ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ∶: ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ ንባርያኻ ትፈልጥዕ እባዕኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ኺዛረበካ እዩ∶: ምእንቲ እቲ ዘረባኻን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርሲ ገበርካ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ። ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን ኬድሕኖ፡ ስም ድማ ኪገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ኪገብረልኩም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ኪኸውን ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዜፍርህ ነገር ኪገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶ፡ ኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻ፡ ከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ ኣሎ∶: ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ህዝብኻ ኪኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣጽንዓዮ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎምድማ ስምካ ንዘለኣለም ይዕበ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትቑም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ፡ ስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያኻ ኣተስፈኻዮ። ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ። ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍስልጥኤማውያን ሰዐሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደ። ንሞኣባውያን ሰዐሮም፡ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፊሮም፡ ክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኼምልስ ኢሉ ክኸይድ ከሎ፡ ንሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባ፡ ሰዐሮ። ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛ፡ ዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደ። ዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም። እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቆ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ። ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድዕዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ። ቶዒ ንጉስ ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ ዔዘር ከም ዝሰዐሮ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ዔዘር ምስ ቶኒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ ዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ክምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ነበረ። ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ። ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ። ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ምስ ቀተለ፡ ስም ረኸበ። ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ኣብ ብዘላ ኤዶም ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ንዳዊት፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሀቦ። ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ኹሉ እስራኤል ነገሰ። ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ፡ ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ፡ በናያ ወዲ ይሆይዳ ድማ ሓለቓ ክርታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቁ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ። ዳዊት ድማ፡ ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ምሕረት ዝገብረሉ ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ∶: በለ። ጺባ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ነበረ፡ ንእኡ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ። ንጉስ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ጺባ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ንሱ እዩ፡ በለ። ንጉስ ድማ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክገብረሉስ፡ ካብ ቤት ሳኦልዶ ገለ የልቦን∶: በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣእጋሩ እተጐድኤ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ∶: በሎ። ንጉስ ድማ፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ∶: በሎ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ እኝሆ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎድባር ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎድባር ኣምጽኦ። መፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ብገጹ ተደፊኡ ግፍም በለ። ዳዊት ድማ፡ መፊቦሸት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጊልያኻ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ርግጽ ምሕረት ክገብረልካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ግራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌታ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ∶: በለ። ሽዑ ንጉስ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ጸዊዑ፡ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ ዂሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣሎኹ። ንስኻን ደቅኻን ግዙኣትካን ድማ፡ ንወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዚብላዕ እንጌራ ክዀኖስ፡ እቲ መሬት ሐሪስኩም፡ ንእኡ ኣእተወሉ። መፊቦሸት ወዲ ጐይታኻ ግና ንወርትግ ኣብ መኣደይ እኝጌራ ኺበልዕ እዩ፡ በሎ። ንጺባ ኸኣ ዕሰርተው ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ግዙኣትን ነበርዎ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝአዘዞ ዂሉ ጊልያኻ ኸምኡ ኺገብር እዩ፡ በለ። መፊቦሸት ከኣ፡ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ጺባ ዝነበሩ ዂሎም ድማ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። መፊቦሸት ከኣ፡ ወርትግ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፡ ንስሪ ኸኣ ክልቲኡ እግሩ ሓንካስ ነበረ። ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሓኑን ነገሰ። ዳዊት ድማ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ዝገበረለይ፡ ንእኡ ምሕረት ክገብር እየ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ብገላዉኡ ገይሩ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን አተዉ። እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንጐይታኦም ሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ∶: ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኬጥፍኣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ∶: በልዎ። ሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክስእዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ሎቕበልዎ ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩምሲ ተመለሱ፡ በሎም። ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ከም እተጸልኡ ምስ ረአዩ፡ እቶም ደቂ ዓሞን ልኢኾም ካብ ናይ ቤት ሬሖብ ሶርያውያንን ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን ዕሃራ ሽሕ እግረኛ፡ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ፡ ካብ ሰብ ጦብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ተኻረዩ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዘበሉ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ። ደቂ ዓሞን ከኣ ወጺኦም ኣብቲ ኣፍ ደገ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ጾባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። ሽዑ ዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ውግእ ከም ዝዀኖ፡ ምስ ረአየ፡ ካብ ኲሎም ሕሩያት እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበል ድማ ኣሰለፎ። በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተሐየሉ ኸኣ ኣነ ኽረድኣካ እየ። ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር። ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝበረ ህዝብን ድማ ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ። እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረአዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሀዲሞም ናብታ ኸተማ አተዉ። ሽዑ ዮኣብ ካብ ደቂ ዓሞን ተመሊሱ ናብ የሩሳሌም አተወ። ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ብሓደ ተአከቡ። ሃዳድ ዔዘር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝበሩ ሶርያውያን ኣውጽኦም እሞ፡ ሾባኽ እቲ ናይ ሃዳድ ዔዘር ሓለቓ ሰራዊት መሪሕዎም ናብ ሔላም መጹ። እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፡ ናብ ሔላም መጸ፡ ሶርያውያን ድማ ንዳዊት ኪቃባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ ኸኣ ተዋግኡ። እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሾብዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛን ቀተለ፡ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ቀተሎ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ። እቶም ንሃዳድ ዔዘር ዚግዝኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተዐሪቖም ንኣታቶም ተገዝኡ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕርዚ ንምርዳእ ደቂ ዓሞን ፈርሁ። ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጹሉ ጊዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶ። ንደቂ ዓሞድን ኣጥፍኦም ድማ ንራባ ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ኪማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ። ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሐተተ፡ እዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓም፡ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ። ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ አተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት። እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ። ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብ፡ ንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሐተተ። ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድ፡ ኣእጋርካውን ተሐጸብ፡ በሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸ፡ ካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። ንዳዊት፡ ኡርያስ ናብ ቤቱ፡ ኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ ንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን∶: ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ∶: በሎ። ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ገላዉ ጐይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱ∶: ህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየ፡ በሎ። ኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ። ዳወዊት ምስ ጸውዖ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ በልዔን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኺድቅስ ወጸ፡ ናብ ቤቱ ግና ኣይወረደን። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲ፡ ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፡ ንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለዉዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ። ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎ። ኡርያ ሔታዊውን ሞተ። ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ። ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካ፡ ስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶: እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የዱባሼት መን እዩ ዝቐተሎ∶: ሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ∶: ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም∶: ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ፡ በሎ። እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ምላፂኡ ኸኣ እቶ ዮኣብ ዝለአኮ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ። እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም። እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎም፡ ካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱ፡ ጊልያኻ ኡርያ፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ በሎ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ ንዮኣብ ከምዚ በሎ፡ ሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዚውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ዀይኑ ኣይርኤኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ። ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ንሰብኣያ በኸየትሉ። ሓዘና ምስ ሐለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸኣ ኰነት፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ። እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ። እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ ኣትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ። እቲ ድኻ ግኛ፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ኣደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በዓል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብኣይ ኣዳለወሉ። ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት ኸም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽውን ስለ ዘይነበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ። ሽዑ ናታን ንዳዊት በሎ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኩኻ፡ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣስሐንኩኻ። ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ካልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ። ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዐቕካ∶: ንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስ፡ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ። እምበኣርስኸ ስለ ዝነዐቕካኒ፡ ንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፡ ሴፍፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስን። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ እየ፡ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ፡ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ፡ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣ ኺድቅስ እዩ። ንስኻ ብስውር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ጸሓይን ክገብሮ እየ። ሽዑ ዳዊት ንናታን፡ ንእግዚኣብሄር በደልኩ፡ በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፡ ኣይትመውትን ኢኻ። ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ኪመውት፡ እዩ፡ በሎ። ናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ድማ እግዚኣብሄር ወቕዖ እሞ ኣዝዩ ተወጽዔ። ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፡ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሐደረ። እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ኢሎም ቈሙ። ንሱ ግና ኣይፈተወን፡ እንጌራውን ምሳታቶም ኣይበልዔን። ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተ፡ እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዔስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ፡ እቲ ሕጻን ሞይቱ፡ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ ከይገብር ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ። ዳዊት ግና እቶም ገላዉኡ ነሓድሕዶም ሕሹዂሹዂ ኪብሉ ምስ ረአየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዐለ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ∶: በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሞይቱ፡ በሉ። ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ተሐጽበን ተለኽየን፡ ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ድማ ሰገደ። ናብ ቤቱ መጺኡውን ዚብላዕ ደለየ፡ እንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዔ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ∶: እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሐወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብሕይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱ፡ ንምንታይ ኢለ እጸውም∶: ደጊምዶ ኽምልሶ ይከኣለኒ እዩ∶: ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ ኣጸናንዓ፡ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ወዲ ድማ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ። ብነብዪ ናታን ልኢኹ ኸኣ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ስሙ የዲድያ ሰመዮ። ዮኣብ ድማ ንራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ተዋግኣ፡ ነቲ ኸተማ ንጉስ ከኣ ወሰዳ። ዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፡ ንራባ ተዋጊኤያ፡ ነታ ኸተማ ማይውን ሒዘያ። ሕጂ ኸኣ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ስመይ ኣብኣ ኸይጽዋኦሲ፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኪብካ ነዛ ኸተማ ኸበባ፡ ሀዛ ድማ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ራባ ገስገሰ እሞ፡ ተዋጊኡ ሐዛ። ንዘውዲ ንጉሶም ከኣ ካብ ርእሱ ወሰዶ፡ ሚዛኑ ድማ ሓደ መኽሊት ወርቂ ነበረ፡ ክቡር ኣዕናቚ ከኣ ነበሮ፡ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ገበርዎ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ። ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታትን ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም፡ ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎም። ንዂለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከምኡ ገበረ። ድሕርዚ ዳዊትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንኣቤሰሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ። ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ ሓዉ ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ∶: ኣይትነግረንንዶ∶: በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሰሎም እየ፡ በሎ። ዮናዳብ ድማ በሎ፡ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ∶: ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፡ ብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ። ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፡ ብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጽኣኒ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኢኹ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉ፡ በላ። ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ሰነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ። ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲ፡ ናብ ሕልፍኚ ኣእትውዮ፡ በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ። ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ፡ ሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሃወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ∶: ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ። ንሱ ግና ዘረባኣ ኺሰምዕ ኣኣይፈተወን፡ ካብኣ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስኣ ድማ ደቀሰ፡ ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ ኪዲ፡ በላ። ንሳ ኸኣኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን። ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽኣለይ፡ ድሕሪኣ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ። ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣ ዐጸዎ። ታማር ድማ ሓሙዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቱ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ። ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት። ኣቤሰሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ∶: ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ፡ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሰሎም ሓዋ ተቐመጠት። ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተናደደ። ኣቤሰሎም ከኣ ንኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሰሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ክፉእ ኣይተዛረቦን። ኰነ ድማ፡ ኣቤሰሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓልሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሰሎም ከኣ ንዂሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞም። ኣቤሰሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ እንሆ፡ ጊልያኻ ቘረጽቲ ኣባጊዕ አለዉኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱ፡ በሎ። ንጉስ ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድይድን እሕና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን። ሽዑ ኣቤሰሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰይኑስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ፡ በሎ። ንጉስ ድማ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ∶: በሎ። ኣቤሰሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም። ኣቤሰሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንኣምኖን፡ ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ∶: ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም። ገላዉ ኣቤሰሎም ድማ ንኣምኖን ከምቲ ኣቤሰሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ። ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ ኣቤሰሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎም፡ ዚብል ወረ መጾ። ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ። ዮናዳብ ወዲ ሺምዓ ሓዉ ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብኣፍ ኣቤሰሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስ፡ ጐይታይ ኣይበል። እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ። ኣቤሰሎም ግና ሀደመ። እቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝህሕ ኺመጽእ ረአየ። ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስሲ እነዉ፡ ይመጹ አለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀኑ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ኣቤሰሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይ፡ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ነበረ። ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሰሎም ምውጻእ ሐደጎ። ዮኣብ ወዲ ጹርያ ድማ ልቢ ንጉስ ናብ ኣቤሰሎም ኣቢሉ ኸም ዝዘንበለ ፈለጠ። ዮኣብ ከኣ ናብ ተቆዓ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ፡ በጃኺ፡ ሕዘኒ፡ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፡ በጃኺ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፡ ብምዉት ነዊሕ ዘበን ከም ዝሐዘነት ሰበይቲ ደኣ ኹኒ። ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛረብዮ፡ ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ። እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ ተዛረበቶ፡ ብገዛ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ኸኣ ፍግም በለት ዎ ንጉስ፡ ርድኣኒ፡ ድማ በለቶ። ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ∶: በላ። ንሳ ድማ በለት፡ ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት ሰበይቲ እየ። ገረድካ ኸኣ ክልተ ወዲ ነበርኒ፡ ንሳቶም ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ዚፈላልዮም ኣብ ዜብሉ መሮር ተበአሱ እሞ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ። እንሆ ኸኣ፡ ንገረድካ ብዘለዉ ዓሌቱ ተንሲኦም፡ ነዚ ቐታል ሓዉ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ነፍሲ ሓዉ ኽንቀትሎ፡ ነቲ ወራስስ ከነጥፍኦ ሀበና፡ ይብሉ አለዉ። ከምኡ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ እያድ የጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ ከኣ ስም ኰነ ተረፍ ኰነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይሐደጉሉን። ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ ንቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባኺ ኽእዝዝ እየ፡ በላ። እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ኸኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፡ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ግና ንጹህ ይኹን፡ በለቶ። ንጉስ ድማ ነቲ ዚዛረበኪ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሊሱ ኸኣ ኣይትንክየክን እዩ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ብኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም ምጥፋእ ከየብዝሕ እሞ ንወደይ ከይቀትሎስ፡ ንጉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይዘክር፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ወድኺ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፡ ህያው እግዝሕኣብሄር እዩ፡ በላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረቢ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ በለት፡ ስለምንታይከ ንህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ሐሰብካሉ፡ ንጉስ ነቲ ኻብኡ እተሰጐ ኸይመልሶስ፡ እዚ ነገር እዚ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ። ግዲ ኽንመውት ኢና እሞ፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና። ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ኣይወስድን፡ ግናኸ እቲ እተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣጸቢቑ ይሐስብ እዩ። ሕጂ ኸኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ምናልባሽ ዘረባ ገረዱ ይገብሮ ይኸውን፡ በለት። ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኣኒ ዚደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉስ ንገረዱ ንምድሓን ኪሰምዕ እዩ። ገረድካ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕን ክፉእን ንምስማዕ ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ቃል ጐይታይ ንጉስ ኬዕርፈኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ምሳኻ ይኹን፡ በለት። ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ በጃኺ፡ እዚ ኣነ ዝሐተኪ ነገር ኣይትሕብእለይ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ይዛረብ ደኣ በለት። እቲ ንጉስ ድማ፡ በዚ ዂሉስ ኢድ ዮኣብከ ምሳኺዶ የሎን∶: በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰት ጐይታይ ንጉስ፡ ህይወት ነፍስኻ፡ ጊልያኻ ዮኣብ ንሱ ኣዚዙኒ እዩ፡ እዚ ዂሉ ነገር እዚውን ንሱ ኣብ ኣፍ ገረድካ ኣንቢርዎ እዩ እሞ፡ ካብቲ ጐይታይ ንጉስ እትዛረቦ ዂሉ ሓደ እኳ ንየማን ኰነ ንጸጋም ዜብል የልቦን። ገጽ እዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኺልወጥ ጊልያኻ ዮኣብ እዚ ነገር እዚ ገበረ። ጐይታይ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘበለ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ። ሽዑ ንጉስ ንዮኣብ፡ እንሆ ሕጂ እዚ ነገር እዚ ገበርኩ፡ ኪድ እሞ ነቲ መንእሰይ፡ ናቤሰሎም፡ ምለሶ፡ በሎ። ዮኣብ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ንኑስ ከኣ መረቖ፡ ዮኣብ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩ፡ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸበ፡ ሎሚ ፈለጠ፡ በለ። ዮኣብ ከኣ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሰሎም ድማ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሰሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። ንጉስ ከኣ፡ ናብ ቤቱ ይኺድ፡ ገጸይ ግና ኣይርኤ፡ በለ። ኣቤሰሎም ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ገጽ ንጉስ ከኣ ኣይረአን። ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሰሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እናተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ። ንኣቤሰሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ፡ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት። ኣቤሰሎም ከኣ፡ ገጽ ንጉስ ከይረአየ፡ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ። ኣቤሰሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰዶ ደልዩ ንዮኣብ ለአኸሉ። ንሱ ግና ናብኡ ኺመጽእ ኣይፈተወን። መሊሱ ድማ ካልኣይ ሳዕ ለአኸሉ፡ ንሱ ግና ኪመጽእ ኣይፈተወን። ሽዑ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ዮኣብ ኣብ እታ ናተይ ግራት አላቶ፡ ኣብኣ ድማ ስገም ኣለዎ እሞ፡ ኬድኩም ሓዊ ምለሱሉ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሰሎም ከኣ ነታ ግራት ሓዊ መለሱላ። ሽዑ ዮኣብ ተንሲኡ ንኣቤሰሎም ናብ ቤቱ መጾ እሞ፡ እዞም ገላዉኻ ንግራተይ ሓዊ ዝመለሱላ ስለምንታይ እዩ∶: በሎ። ኣቤሰሎም ድማ ንዮኣብ፡ ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጻእኩ ንኣይሲ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሔሸኒ ነይሩ። ሕጂ ኸኣ ገጽ ንጉስ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበሳ ተረኺቡኒ እንተ ዀይኑ ድማ ይቕተለኒ፡ ክትብለለይ፡ እንሆ ናብ ንጉስ ክሰደካ፡ ንዓ ናብዚ ኢለ ለአኽኩልካ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ እዚ ነገሮ። ንኣቤሰሎም ድማ ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣቤሰሎም ሰዐሞ። ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣቤሰሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ገበረ። ኣቤሰሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሰሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ። ኣቤሰሎም ድማ፡ ርኤ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደኣ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኺፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ∶: ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሰሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እየ፡ ኢለ መብጽዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሰሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እየ፡ ኢለ መብጽዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ። ኣቤሰሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ፡ ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሰሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉ፡ በሎም። ምስ ኣቤሰሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩሳሌም ከዱ፡ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡ ብገርሆም ከዱ። ኣቤሰሎም መስዋእትታት ሕሩድ ኪስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሰሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ከደ። ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሰሎም ስዒቡ እዩ፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡ፡ ተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሰሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽኣልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፉ ንኺድ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም አለዉ፡ በልዎ። ንጉስ ድማ ወጸ፡ ብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑ፡ ቤት ኪሕልዋ ሐደገን። እቲ ንጉስ ወጸ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዐቦ። ኣብ ቤትመርሓቅ ድማ ደው በሉ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሐለፉ፡ ኲሎም ክረታውያንን ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሐለፉ። ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቲ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣሎኻ∶: ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ። ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ∶: ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደኣ፡ ነሕዋትካውን ምለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ። ኢታይ ግና ንንጉስ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡ ኪድ ተሳገር፡ በሎ። ኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ። ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ኦኣው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ። እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ኲሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጸይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ። ንጉስ ከኣ ንጻዶቅ፡ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኬርእየኒ እዩ፡ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኬርእየኒ እዩ፡ ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበለ ይግበረኒ፡ በሎ። ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህን፡ንስኻ ረኣዪ ደይኰንካን∶: ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፡ ወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። ርአዩ፡ እቲ ወረ ዚነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ኽጸንሕ እየ፡ በሎ። ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ከኣ ተቐመጡ። ዳዊት ድማ በቲ መደየቢ ደብረ ዘይቲ ደየበ። ኪድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ። ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኪቕበሎ መጸ። ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሐለፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ። ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፡ ንኣቤሰሎም ከኣ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ። እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን∶: ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ። እነዉ ኽልቲእዕም ደቆም ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ። እትምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልአኹለይ። ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ አተወ፡ ኣቤሰሎም ድማ ናብ የሩሳሌም አተወ። ዳዊት ድማ ካብ ርእሲ እቲ ከረን ቅሩብ ምስ ሐለፈ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጺባ ጊልያ መፊቦሸት ክልተ ሚእቲ እንጌራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጐጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ተቐበሎ። እቲ ንጉስ ድማ ንጺባ፡ እዚ ንምንታይ ኢልካዮ ኢኻ∶: በሎ። ጺባ ኸኣ፡ እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍሬታትን ድማ እዞም ገላዉ ኺበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ኸኣ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትይዎ ኢለ እየ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ∶: በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ንሱስ፡ ሎሚ ቤት እስራኤል፡ መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ንጉስ ንጺባ፡ እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዂሉ ንኣኻ እዩ፡ በሎ። ጺባ ድማ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢድ እነስእ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ። ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ባሑሪም ምስ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፡ ካብኣ ወጸ። ንሱ ወጺኡ እናኸደ ይረግም ነበረ። እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ጸጋሙ ዀይኖም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኲሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ። ሽምዒ እቲ ኺረግሞ ኸሎ ኸምዚ ይብሎ ነበረ፡ ኣታ ናይ ደም ሰብ፡ ኣታ ናይ ብልያል ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ። ነቲ ኣብ ክንዳኡ ንዝነገስካ ዂሉ ደም ቤት ሳኦል እግዚኣብሄር ናባኻ መለሰልካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሰሎም ኣብ ኢዱ ሀቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እንሆልካ ብኽፍኣትካ ተተሐዝካ። ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ኸኣ ንንጉስ፡ እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዚጸርፎ ዘሎ∶: በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ∶: በሎ። ንጉስ ግና፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ∶: እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ርገሞ፡ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር∶: ዚብሎ መን እዩ∶: በለ። ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዂሎም ገላዉኡን፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንነፍሰይ ይደልያ ኣሎ፡ ከመይ ግን ሕጂ እዚ ብንያማዊ ወዲ ዝገደደ ዘይገብር። እግዚኣብሄር አዚዝዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ። እግዚኣብሄር ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመጻ ርእዩስ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገም ዘሎኹ ምናልባሽ ጽቡቕ እንተ መለሰለይ፡ በሎም። ዳዊትን ሰቡን ብመገደ መገዶ ይኸዱ ነበሩ፡ ሽምዒ ኸኣ ኣብ መንጽሩ ብጐቦ እቲ ኸረን ኣቢሉ ኪኸይድ ከሎ እናረገሞ፡ እምኒውን እናደርበየሉ፡ ብሓመድ ከኣ እናጨገቦ ይኸይድ ነበረ። ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ድማ ደኺሞም ናብኡ መጹ። ኣብኡ ኸኣ ኣተንፈሱ። ኣቤሰሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ሰብ እስራኤልን ንየሩሳሌም አተዉ፡ ኣሖቲፌልውን ምስኡ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ሑሻይ በዓል ኣርኪ፡ ፈታው ዳዊት ናብ ኣቤሰሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሰሎም፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሎ። ኣቤሰሎም ከኣ ንሑሻይ፡ እቲ ንፈታዊኻ እትገብረሉ ሞገስ እዚ ድዩ∶: ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ∶: በሎ። ሑሻይ ድማ ንኣቤሰሎም፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዚ ህዝቢ እዝን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ዝሐረይዎ እተ፡ ምስኡ ኸኣ እነብር። መሊሰ ደኣ ንመን ከገልግል እየ∶: ኣብ ቅድሚ ወዲ ክኸውን ደይኰንኩን∶: ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ዘገልገልኩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ክኸውን እየ፡ በሎ። ኣቤሰሎም ከኣ ንኣሒቶፌል እንታይ ከም እንገብር ምኽሪ ሀቡና፡ በሎ። ኣሒቶፌል ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ነተን ቤት ክሕልዋ ዝሐደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እተወን። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ ኣቦኻ ጽዩፍ ከም ዝዀንካ ይሰምዕ፡ ሽዑ ኣእዳው እቶም ምሳኻ ዘለዉ ዂሎም ኪጸንዓ እየን፡ በሎ። ንኣቤሰሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፡ ኣቤሰሎም ከኣ፡ ብዘሎ እስራኤል እናረአየ፡ ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ አተወ። በቲ ጊዜ እቲ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምጥያቕ ነበረ፡ ኲሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል ዘበለ ምስ ዳዊት ኰነ ምስ ኣቤሰሎም ከምኡ ነበረ። ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሰሎም በሎ፡ በጃኻ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ሐርየስ ተንሲኤ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ። ሽዑ ደኺሙን ኣእዳዉ ዘርጋሕጋሕ ኢለን ከለዋን፡ ሓደጋ ወዲቐ ኸሰምብዶ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢውን ይሀድም፡ ንንጉስ በይኑ ኸኣ እቐትሎ፡ ንዂሉ ህዝቢ ድማ ናባኻ እመልሶ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይሲ ዂሎም ከም እተመልሱ እዩ፡ ሽዑ ንዂሉ ህዝቢ ሰላም ይኸውን። እዚ ዘረባ እዚ ንኣቤሰሎምን ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ባህ ኣበሎም። ኣቤሰሎም ግና፡ እስኪ ንሑሻይ ብዓል ኣርኪ ኸኣ ጸውዕዎ፡ ንሱ ዚብሎ ድማ ክንሰምዕ፡ በለ። ሑሻይ ናብ ኣቤሰሎም ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣቤሰሎም፡ ኣሒቶፌል ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ፡ ነቲ ዘረባኡስ ንግበሮዶ፡ እንተ ዘይኰነስ ንስኻ ተዛረብ፡ በሎ። ሑሻይ ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ኣሒቶፌል በዚ ጊዜ እዚ ዝመኸሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በሎ። ሑሻይ ድማ መሊሱ በሎ፡ ኣቦኻ እቶም ሰቡን ከኣ ጀጋኑን ኣብ መሮር ኰራኲራ ኸም ዘግደፍዋ ዝብኢ መረርቲ ነፍስን ከም ዚዀኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ከኣ ኣይሐድርን። እንሆ፡ ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተሐቢኡ ኣሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብመጀመርታ ኻባታቶም ገለ እንተ ወደቑ፡ እቲ ዝሰምዔ ዘበለ፡ እቲ ደድሕሪ ኣቤሰሎም ዝሰዐበ ህዝቢ ተሳዒሩ እዩ፡ ኺብል እዩ። ኣቦኻ ጅግና ከም ዚዀነ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ሓያላት ምዃኖም ብዘሎ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሽዑ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈጺሙ ኺመክኽ እዩ። ስለዚ ኸም ሑጻ ባሕሪ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ናባኻ ኪኸትት፡ ባዕልኻውን ናብቲ ውግእ ክትከይድ፡ እመክር አሎኹ። ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚወድቕ፡ ኣብ ሓንቲ ዚርከበላ ቦታ ንውደቆ። ካብኡን ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ሓደ እኳ ኣኣይነትርፍን። ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ አተወ ድማ፡ ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ነታ ኸተማ እቲኣ በጋድ ይኸባ፡ ንእሽቶ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይርከባ ድማ፡ ናብ ርባ ኽንስሕባ ኢና። ሽዑ ኣቤሰሎም ብዘለዉ ሰብ እስራኤልን፡ ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ ብዓል ኣርኪ ይበልጽ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሰሎም ክፉእ ምእንቲ ኼምጽኣሉስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ጽብሪቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኪዝርዝር ኣዚዙ ነበረ። ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ኣሒቶፌል ንኣቤሰሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምን ኢሉ መኸሮም፡ ኣነ ኸኣ ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ። እምበኣር ሕጂ፡ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዂሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሐጡስ፡ ብዝዀነ ተሳገር እምበር፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት በረኻ ኣይትሕደር፡ ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎ፡ ቀልጢፍኩም ልአኹሉ፡ በሎም። ዮናታንን ኣሒማዓጽን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ደው ኢሎም ነበሩ፡ ናብ ከተማ አትዮም ኪረአዩ ኣይከአሉን እሞ፡ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ። ግናኸ ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፡ ንኣቤሰሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ፡ ኣብ ባሑሪም ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ አተዉ፡ ኣብ ደምቤኡ ድማ ዔላ ነበረቶ፡ ናብኣ ከኣ ወረዱ። እታ ሰበይቱ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ከይርእዮምሲ፡ ማእሲ ወሲዳ ኣብ እታ ኦኢአላ ዘርግሔት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒዱእ ስገም ሰጥሔት እሞ፡ ገለ ነገር ኣይተፈልጠን። ገላዉ ኣቤሰሎም ናብታ ቤት ናብታ ሰበይቲ መጺኦም ከኣ፡ ኣሒማዕጽዮንን ዮናታንን ኣበይ አለዉ∶: በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ርባ ማይ ተሳጊሮም፡ በለቶም። ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ምስ ሰአንዎም ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስ ከዱ፡ እቲኣቶም ድማ ካብቲ ዔላ ወጺኦም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ፡ ኣሒቶፌል ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገሩ፡ በልዎ። ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ ድማ፡ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ኣሒቶፌል ከኣ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ተንሲኡ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ከደ። ቤቱ ኣስተናቢሩ ድማ ተሐኒቑ ሞተ። ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸኣ ተቐብረ። ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም መጸ። ኣቤሰሎም ከኣ፡ ንሱን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ምስኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ኣቤሰሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንኣቢጋል ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጹርያ ኣደ ዮኣብ፡ አትይዋ ነበረ። እስራኤልን ኣቤሰሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሰፈሩ። ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ማሓናይም ምስ አተወ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ካብ ሎድባር፡ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም፡ ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ ኣሞ፡ ዓራውትን ፅሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጋን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም። ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ ኣሞ፡ ዓራውትን ፅሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጋን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም። ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም። ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢ፡ ሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይ፡ ወዲ ጹርያ ሓዉ ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሀደምና፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ ተዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድኣና ይሐይሽ፡ በሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብር፡ በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ ኣቲ ህዝቢ ድማ ኣ ጥቓ እታ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሰሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሰሎም ነገር ኪእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ። ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናይ ዕስራ ሽሕ ዚአክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ። ኣቤሰሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሰሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስዳስ ዓብዪ ድዋ አተወት፡ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሐለፈት። ሓደ ሰብኣይ ድማ ርእዩ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ንኣቤሰሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ። ዮኣብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፡ እንሆ፡፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ደኣ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ∶: ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሀብኩኻ ነይረ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዮኣብ፡ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሰሎም፡ ስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ኔርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን። ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ዝዀንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዚሕባእ አገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ። ሽዑ ዮኣብ፡ ከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለ። ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ተልተል ኢሉ ከሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሰሎም ሸኸተን። ዓሰርተ መንእሰይ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ከኣ ንኣቤሰሎም ከበብዎ፡ ወቒዖም ድማ ቀተልዎ። ዮኣብ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ዮኣብ አቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ። ንኣቤሰሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ኹምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። ኣቤሰሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ ወሲዱ ነቲ ኣብ ለሰ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ከኣ ብስሙ ሰመዮ፡ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሰሎም ይበሀል ኣሎ። ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደኣ ከበስሮ፡ በለ። ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ ደመዓልቲ ደኣ ተበስር፡ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ። ዮኣብ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ ኪድ፡ ዝርኤኻዮ ንንጉስ ንገሮ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ። ኣሒማዓጽ ወጺ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዚመጸካ ነገር ዜብልካ፡ ስለ ምንታይ እትጐዪ∶: በሎ። ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ። ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቀሚጡ ነበረ። ዘብዔኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካበብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ አበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብኣይ ረአየ። እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮ። ንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ ኣሎ፡ በለ። እናጐየየ ድማ ቐረበ። እቲ ዜብዔኛ ኸኣ ካልእ ሰብኣይ ኪጐዪ ረአየ፡ ሽዑ እቲ ሰብዔኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዜበስር እዩ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ንኣይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይርኣየኒ፡ በለ። ንጉስ ከኣ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዜምጽእ እዩ፡ በለ። ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስ፡ ሰላም ኢሉ ጨደረ። ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዓሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሰሎምከ ደሓንዶ ኣሎ∶: በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ዮኣብ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ጊልያኻን ኪልእከና ከሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኤኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣግሊስካ ኣብኡ ደውን በል፡ በሎ ኣግዝሊሱ ድማ ደው በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በዪኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራት፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ። እቲ ጐበዝ ኣቤሰሎምከ ደሓንዶ ኣሎ∶: በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእካ ዚትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ። ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ፡ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ወደይ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ወደይ። ንዮኣብ ድማ፡ እንሆ፡ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሰሎም ይበክን ይጒህን አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። እቲ ንጉስስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሐዘነ፡ እቲ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣኣ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ስዕረት ናብ ጓሂ ተለወጠ። ኣብ ኲናት ብምህዳሞም ሐፊሮም እናተጸቕጡ ኸም ዚኸዱ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ እናተጸቕጠ ናብ ከተማ አተወ። እቲ ንጉስ ከኣ ገጹ ኸዲኑ ነበረ፡ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ፡ ወደይ ኣቤሰሎም፡ ኣቤሰሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኢሉ ጨደረ። ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት አትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሰሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመውት፡ ሽዑ ሕኑዕ ኰይኑ ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት አትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሰሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመውት፡ ሽዑ ሕኑዕ ኰይኑ ሕዲ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንልቢ ገላውኻ ድማ ተዛረብ። እንተ ዘይወጻእካ ግና፡ በዛ ለይት እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሐድር፡ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ዝመጸካ ኽፉእ ድማ፡ እዚ ኪኸፍኣካ እዩ። ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። እንሆ፡ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎ። ኲሉ እቲህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀዲሙ ነበረ። ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጻላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሐነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ ኢሎም ተኻትዑ። ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጻላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሐነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ ኢሎም ተኻትዑ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ነቶም ካህናት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሎም፡ ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ዘረባ ዂሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይከ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱንምምላስ ዳሕሮት ኰንኩም ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ዓጽመይን ስጋይን ኢኹም፡ ስለምንታይ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኰንኩም ንዓማሳውን ከምዚ በልዎ፡ንስኻስ ዓጽመይን ስጋይን ደይኰንካን ንስኻ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንወርትግ ኣብ ቅድመይ መስፍን ሰራዊት እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ። ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸኣ ንልቢ ዂሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከኣ፡ ንስኻን ኲሎም ገላዉኻን ተመለሱ፡ ኢሎም ለኣኹ። ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ሰብ ይሁዳ ድማ ከይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎ፡ ናብ ጊልጋል መጹ። ሺምዓ፡ ወዲ ጌራ ብንያማዊ ብዓል በሑሪም፡ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ዀይኑ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎቐልጢፉ ወረደ። ካብ ብንያም ከኣ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ነበሩ፡ ጺባ ግልያ ቤት ሳኦል ድማ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ገላውኡን ከኣ ምስኡ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ዮኡርዳኖስ ተሳገሩ። ስድራ ንጉስ ዚሳገሩሉ፡ ዝደለዮውን ኪገብረሉ ታንኳ ተሳገረ። ሺምዓ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ።። ንንጉስ ድማ፡ ጐይታይ ነቲ ኣበሳ ኣይሐዘለይ፡ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ ዮሩሳሌም ዝመጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኸኣ ኣይትዘክሮ፡ ንጉስ ኣብ ልቡ ደኣ ኣየንብሮ። ኣነ ኸም ዝበደልኩ፡ ጊልያኻ ፈሊጡ እዩ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ቕድሚ ዂላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፡ ጐይታይ ንጉስ ንምቕባል መጻእኩ፡ በሎ። ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና፡ ሺምዓ ንቕቡእ እግዚኣብሄር ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመውትዶ ኣይግብኦን እዩ ኢሉ መለሰ። ዳዊት ድማ፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብኣይ ይመውት፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ ሎሚ ተጻረርቲ እትዀኑኒ፡ ምሳኻትኩም ዝገብሮኸ እንታይ ኣሎኒ በለ። ንጉስ ከኣ ንሺምዓ፡ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። ንጉስ ድማ መሐለሉ። መፊቦሸት ወዲ ሳኦልውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወረዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝኣተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየን፡ ጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሐጸበን ነበረ። ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ንጉስ፡ ኣታ መፊቦሽት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያኻ ሓንካስ እዩ እሞ፡ ኣድጊ ጽዒነስ ተመጢሔያ ምስ ንጉስ ክኸይድ፡ ኢሉ ነበረ፡ ግናኸ ጊልያይ ኣታሊሉኒ። ንሱ ድማ ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ነገር ሰርሓሉ። ጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ባህ ዘበለካ ግበር። ብዘላ ቤት ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፡ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣሎኒ ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንምንታይከ ናይ ነገርካ መሊስካ እትዛረብ እቲ ግራት ንስኻን ጺባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፡ በለ። መፊቦሽት ድማ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ንቤቱ እንድሕሪ ተመልሰስ፡ ኲሉ እኳ ይውሰዶ፡ በሎ። ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮማሊም ወሪዱ፡ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ኬሰንዮ ኢሉ፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ። ባርዚላይ ድማ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኰይኑ፡ እምብዛ ሸምጊሉ ነበረ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ኣብ መሓናይም ከሎ ይምግቦ ነበረ። ንጉስ ከኣ ንባርዚላይ፡ ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ ዮሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ፡ በሎ። ባርዚላይ ግና ንንጉስ በሎ፡ ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ ጊልያኻ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ ኣልየ ስለምንታይ ደኣ ደጊምካ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ ጊልያኻ ምስ ንጉስ ቅሩብ ግዳ ንዮርዳኖስ ክሳገር። ስለምንታይከ ንጉስ እዚ ውሬታ እዚ ዚመልሰለይ ኣብቲ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ዘለዎ ኣብ ከተማይ ክመውት ጊልያኻ ኽምለስ እልምነካ ኣሎኹ። ጊልያኻ ኪምሃም ግና፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፡ ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ። ንጉስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ኪምሃም ምሳይ ይሳገር፡ ንእኡ ድማ ባህ ዜብለካ ኽገብረሉ እየ፡ ንኣኻውን ካባይ እትደልዮ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልካ እየ፡ በለ። ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ንጉስውን ተሳገር። ንጉስ ድማ ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖ። ናብ ቦታኡ ድማ ተመልሰ። ንጉስ ከኣ ናብ ጊልጋል ተሳገረ፡ ኪምሃምውን ምስኡ ተሳገረ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ። እንሆ ድማ፡ ኲሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መጺኦም ንንጉስ፡ እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ስለምንታይ እዮም ዝሰረቑኻ ንንጉስን ንስድራኡን፡ ንዂሎም ናይ ዳዊት ሰብውን ምስኡ፡ ዮርዳኖስ ኣሳገርዎም በልዎ። ኲሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ ንጉስ ንኣና ስለ ዚቐርብ ኢና፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኹም በዚ ነገር እዚ እትዂርዩ ካብ ንጉስዶ ገለ ብልዒ በሊዕና ኢና ወይ ገለ ህያብዶ ሂቡና እዩ ኢሎም መለሱሎም። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፡ ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፡ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለጸ መሰል ኣሎና፡ ስለምንታይከ ነዐቕኩምና ንንጉስና ንምምላስ ቅድም እተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኰናን ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤል ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብ፡ ሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፡ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሔ። ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶም፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዐቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ የሩሳሌም ሰዐብዎ። ዳዊት ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደን፡ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይኣተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዐጽየን ነበራ። ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡ ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብዚ ተረኸብ፡ በሎ። ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ኬኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ጊዜ ደንጐየ። ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይ፡ ሕጂ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ኪኸፍኣና እሮኡ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረኽብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቚሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ፡ በሎ። ሽዑ ናይ ዮኣብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጰለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ። ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራኸቦም። ዮኣብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐሚሹ ተዐጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተዐጢቑ ነበረ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ። ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ ደሓንዶ ኣሎኻ ሓወይ ኢሉ፡ ኪስዕሞ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሐዞ። ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፡ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሔ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተ፡ ዮኣብን ኣቢሻይ ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ። ሓደ ሰብኣይ ካብ ገላዉ ዮኣብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙ፡ ፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ኪኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ይብል ነበረ። ዓማሳ ኸኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኲሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረኣየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዚብል ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ። ካብ መገዲ ምስ ኣልዐልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሐለፈ። ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤትማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሐለፈ። ንሳቶም ድማ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ መጹ። መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤትማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መክበብያኣ ዚቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮኣብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ኬውድቖ የፍርሶ ነበረ። ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ፡ ስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም፡ ንዮኣብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብ፡ በሉለይ፡ ኢላ ጨደረት። ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ ኣሎኹ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ቀደም፡ ምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ፡ ይበሀል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ። ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻኸ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደን ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ ኣሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ ተዛረበት። ዮኣብ ድማ፡እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ። ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬ፡ ኣብ ንጉስ፡ ኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጥራይ ደኣ ሀቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርብየልካ ኢና፡ በለት። ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸት። ርእሲ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሔ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በንያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ተሓዝ ደብተር ነበረ። ሸያኣ ድማ ጸሓፊ ነበረ። ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ። ዒራ ያኢራዊ ድማ ናብ ዳዊት ካህን ነበረ። ብዘበን ዳዊት ድማ፡ ዓመት ንዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከኣ ገጽ እግዚኣብሄር ደለየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፡ በለ። ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ኣብ ኣሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፡ ካብ ደቂ እስራኤልሲ ኣይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደኣ ምሒሎምሎም ነበሩ፡ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፡ ኬጥፍኦም ደለየ። ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፡ ብምንታይከ ዕርቂ ኽገብር እየ በሎም። እቶም ጊብዖናውያን ድማ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ነበሩ ብሩርን ወርቅን የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይግብኣናን፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ እቲ ዝወድኣናን ኣብ ኲሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተንኰለልናን ሰብኣይ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ጊብዓ ናብ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ክንሰቕለሉስ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሀቡና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣነ ክህበኩም እየ፡ በለ። እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሽት፡ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ እግዚኣብሄር ኢሉ ነሐፎ። ንጉስ ግና ነቶም ክልተ ደቂ ረጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሽትን፡ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም፡ ኣብ ኢዱ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፡ ሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፡ በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅመረሉ ኸኣ፡ ብጊዜ ቐውዒ ሞቱ። ሪጻጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፡ ካብ መጀመርታ ቐውዒ፡ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዚዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ። ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪዐርፉሎም ኣይሐደገቶምን። እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ያቤሽጊልዓድ ወሰደ። ንሳቶም ካብቲ ኣደባባይ ቤትሻን ሰሪቖምዎም ነበሩ፡ ኣብኡ ፍልስጥኤማውያን በቲ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ኣልዐለ፡ ኣዕጽምቲ እቶም ስቑላት ድማ ኣከቡ። ነቲ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ፡ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ ቀበርዎ። እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ዂሉ ኸኣ ገበሩ። ድሕሪ እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ ሃገር ተለመና። ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ከም ብሓድሽ ተዋግኡ። ዳዊትን ገላውኡ ኸኣ ምስኡን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ደኸመ። ይሽቢብኖብ ከኣ፡ ንሱ ኻብ ወገን ራፋ፡ ሚዛን ኲናቱ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ኣስራዚ፡ ሓድሽ ሴፍ ድማ እተዐጥቀ ዝነበረ፡ ንሱ ንዳዊት ኪቐትሎ ሐሰበ። ኣቢሻይ ወዲጽሩያ ግና ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ገላዉ ዳዊት መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ ኢሎም መሐሉሉ። ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዓፌዖርጊም ብዓል ቤትልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ጐልያድ ብዓል ጋት ቀተሎ። ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተ፡ ቊጽሪ ዂሉ ዕስራን ኣርባዕተን፡ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ራፋ እተወልደ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ። እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ፡ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ። ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኲሎም ጻላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሐነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ። ከምዚ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ፡ ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ፡ ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይን፡ ግምበይን መህደምየይን እዩ። ዎ መድሓንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ። ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ ኣሎኹ፡ ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን እየ። ማዕበል ሞት ከቢቡኒ እዩ እምኦ፡ ወሓይዝ ብልያል ኣፍርሃኒ። ኣግማድ ሲኦል ከበበኒ፡ መፈንጠራታት ሞት መጸኒ። ብጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህለልኩ፡ ድምጸይ ድማ ካብ መቕደሱ ሰምዔ፡ ገዓረይውን ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ። ሽዑ ምድሪ ተናቓነቐትን ኣንቀጥቀጠትን፡ መሰረታት ሰማይ ኣንደቕደቐ፡ ብዂራኡ ስለ ዝነደደ ኸኣ፡ ተናቓነቐ። ካብ ኣፍንጭኡ ትኪ ተላዕለ፡ ካብ ኣፉ ድማ ዚባላዕ ሓዊ ወጸ፡ ካብኡ ጓህሪ ነደደ። ሰማይ ኣድኒኑ ኸኣ ወረደ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ድማ ነፈረ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ከኣ ተራእየ። ነቲ ጸልማት እኩብ ማያትን ከቢድ ደበናን ኣብ ዙርያኡ ድንኳናት ገበሮ። ካብቲ ነጸብራቕ ቅድሚኡ ጒህር ሓዊ ነደደ። እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፡ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሀበ። ፍላጻታት ወርዊሩ ኸኣ ፋሕ ኣበሎም፡ ኣብሪቑውን ኣሸበሮም። ብተግሳጽ እግዚኣብሄር፡ ካብ ምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡ መዓሙቚ ባሕሪ ተራእየ፡ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዔ። ካብ ኣርያም ልኢኹ ወሰደኒ። ካብ ዓበይቲ ማያት ኣውጽኣኒ። ካባይ ይሕይሉ ነበሩ እሞ፡ ካብቲ ሓያል ጸላእየይ፡ ካብቶም ዝጸልኡኒ ኣድሐነኒ። ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ደገፍ ኰነኒ። ናብ ርሒብ ኣውጽኣኒ፡ ብሂጉኒ እዩ እሞ፡ ኣድሐኒኒ። እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ ፈደየኒ፡ ከምቲ ጽርየት ኢደይ መለሰለይ። መገድታት እግዚኣብሄር ሐልየ እየ እሞ፡ ካብ ኣምላኸይ ብበደል ኣይረሐቕኩን። ኲሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን። ኣብ ቅድሚኡ ምሉእ ኰንኩ፡ ካብ በደለይውን ተሐሎኹ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ፡ ከምቲ ንጽህናይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መለሰለይ። ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ ትኸውን፡ ምስቲ ፍጹም ሰብ ፍጹም ትኸውን። ምስቲ ንጹህ ንጹህ ትኸውን፡ ምስቲ ጠዋይ ከኣ ትጠዊ። ንጥቑዕ ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ፡ ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶም፡ ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን። ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ መብራህተይ ኢኻ እሞ፡ ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ። ብኣኻ ንጭፍራ ኽጐዮም እየ እሞ፡ ብኣምላኸይ፡ ንመንደቕ እሰርር። ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ። ብጀካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መን እዩ ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፡ ነቲ ፍጹም ድማ ብመገዱ ይመርሖ። እግረይ ከም ናይ እራብ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ በረኽተይ ድማ ኣቘመኒ። ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ከኣ ቀስቲ ኣስራዚ ምግታር መሀረ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ፡ ምውራድካውን ኣዕበየኒ። ኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካ፡ ኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሀጽን። ንጸላእተይ ድማ ሰጒጐ ኣጥፍእክዎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ከኣ ኣይተመለሰኩን። ከም ዘይትንስኡ ገይሩ ድማ ወጊኤ ወዳእክዎም፡ ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ። ንውግእ ከኣ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፡ ነቶም እተቓወሙኒ ኣብ ትሕተይ ኣድነንካዮም። ዝባን ጸላእተይ ድማ መለስካለይ፡ ነቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ኣጽነትክዎም። ጠመቱ፡ ዜድሕን ግና ኣይነበረን። ናብ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን። ሓመድ ምድሪ ኽሳዕ ዚዀኑ ድማ ደቘስክዎም፡ ከም ጭቃ ኣደባባይ ረጊጸ ሰገድክዎም። ካብ ርእሲ ህዝበይ ኣድሐንካኒ፡ ርእሲ ህዝብታት ክኸውን ሐሎኻኒ፡ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዝኣኒ፡ ደቂ ጓና ድማ ይግዝኡኒ፡ ብእዝኖም ሰሚዖም ይእዘዙኒ። እቶም ደቂ ጓና ወለል ይብሎም፡ ካብቲ እተዐጽዉሉ ስፍራታት እናንቀጥቀጡ ይወጹ። እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ኸውሔይ ከኣ ይባረኽ። እቲ እምባ ምድሓነይ ዝዀነ ኣምላኽ ክብ ይበል፡ እቲ ሕነይ ዝፈደየለይ ኣምላኽ፡ ንህዝብታትውን ኣብ ትሕተይ ዜውድቖም፡ ካብ ጸላእተይ ድማ ዜውጽኣኒ፡ ናብ ልዕሊ እቶም ተቓወምተይውን ክብ ተብለኒ፡ ካብ ዓማጺ ሰብ ተድሕነኒ። ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኤመስግነካ፡ ንስምኻውን እዝምር ኣሎኹ። ንንጉስ ዓብዪ ምድሓን ይህብ፡ ንቕቡኡ ድማ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን፡ ንዘለአለም ሞገስ ይህብ። መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል፡ እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብኣይ፡ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ። ኣምላኽ እስራኤል በለ፡ ከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ፡ ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጻሓይ እትበርቀሉ ጊዜ፡ እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቊለሉ፡ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ። ቤተይሲ ምስ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነን፡ ግናኸ ብዂሉ እተሰርዔን እተሐለወን ኪዳን ዘለኣለም ኣቚሙለይ እዩ እሞ፡ ኣየብቊለለይን ድዩ እቶም ደቂ ብልያል ኲሎም ግና ከምቲ ብኢድ ዘይትሐዝ እሞ፡ ከም ዚድርበ እሾዂ እዮም። እቲ ዚትንክዮም ሰብ ግና ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፡ ኣብታ ቦታኦም ድማ ብሓዊ ፈጺሞም ይነዱ። ሰጋ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ዮሼብባሸቤት ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሓላቑ፡ ንሱ ዓዲኖ እቲ ዔዝናዊ ዂናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሾሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ። ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እዩ፡ ንሳቶም ነቶም ኪዋግኡ ኣብኡ እተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሐሩ፡ ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፡ ኢዱ ኣብታ ሴፍ ክሳዕ እትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪገፉ ጥራይ ደድሕሪኡ ተመልሱ። ድሕሪኡ ኸኣ ሻማ ወዲ ኣጌ ሃራራዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ጨፊሮም ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልኤት ግራት ተኣከቡ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደመ። ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሐና፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ሰዐሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ካብቶም ሰላሳ ሓላቑ ድማ ሰለስተ ወሪዶም፡ ብጊዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መጹ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፊሩ ነበረ። ሽዑ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሽዑ ኣብ ቤትልሄም ነበሩ። ዳዊት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ ኢሉ ተመነየ። ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዔላ ቤትልሄም ማይ ቀዲሖም ጾይሮም ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐዎ እምበር፡ ኪሰትዮ ኣይፈተወን። ንሱ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ ዎ እግዚኣብሄር፡እዚ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ በለ። ምስታዩ ኸኣኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ። ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኸኣ፡ ንሱ ነቶም ሰለስተ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣልዒሉ ንሰለስተ ሚእቲ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ኸኣ ስሙይ ነበረ። ካብቶም ሰለስተስ ዝኸበረዶ ኣይነበርን ስለዚ ሓለቓኦም ኰነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ ብዓል ቀብጽኤል፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፡ ንሱ ድማ ብጊዜ በረድ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። ንሱ ኸኣ ንሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢዱ እቲ ግብጻዊ ድማ ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበር። ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኽርቱ ገበሮ። ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ሓደ እዩ፡ ኤልሓናን፡ ወዲ ዶዶ ኻብ ቤትልሄም፡ ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡ ሔለጽ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢዔዘር እቲ ዓናቶታዊ፡ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡ ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ መሓራይ እቲ ነጦፋታዊ፡ ሔለብ፡ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ፡ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፡ ሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት ጋዓሻ፡ ኣቢዕልቦን እቲ ዓርበታዊ፡ ዓዝማወት እቲ ባርሑማዊ፡ ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ብሄያሸን፡ ዮናታን፡ ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም፡ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡ ኤሊ ፈለጥ፡ ወዲ ኣሓስባይ ወዲ ሓደ ማዓካታዊ፡ ኤሊዓም፡ ወዲ ኣሒቶፌል እቲ ጊሎናዊ፡ ሔጽራይ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡ ዪጋል፡ ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡ ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሓራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ ዒራ ዪትራዊ እቲ ሒታዊ፡ ኲላቶም ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሉሱ ኣብ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቊጸሮም፡ኢሉ ነቕነቖ። ንጉስ ከኣ ንዮኣብ፡ ነቲ ምስእሪ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት፡ ቊጽሪ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ዜርካ ነቲ ህዝቢ ቚጸሮ፡ በሎ። ዮኣብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮ፡ ከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርኣዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ። እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮኣብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዔ። ዮኣብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ። ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማ፡ ንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ። ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲምሖድሺ ኣተዉ፡ ናብ ዳንያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ። ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤርሸባዕ ወጹ። ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ። ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሀቦ። እምበኣርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዚመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ። ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፡ ብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ። ዳዊት ንግሆ ምስ ተንስኤ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረኣዪ መጺኡ በሎ፡ ኪድ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኤን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ተዛረቦ። ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሀድም፡ንሳቶም ከኣ ኪሰጉኻዶ ወይሲ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ኪኸውንዶ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉ፡ኣስተውዒልካ ርኤ፡ ኢሉ ነገሮ። ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ። እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሔ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዜጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይኣክል፡ ሕጅስ ኢድካምለስ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይብሳዊ ነበረ። ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ፡ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ትኹን፡ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይብሳዊ፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኣቚም፡ በሎ። ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ደየበ። ኣራውና ከኣ ቊሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላውኡን ድማ ናብኡ ኺመጹ ረኣየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ። ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልክል፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንዳዊት፡ ጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣብዑር፡ ንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡ ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኻ ደኣ ይቀበልካ፡ በሎ። ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም። ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ። ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሐለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉ፡ ግናኸ ኣይሞቐን። ስለዚ እቶም ገላውኡ፡ ንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትኣልዮ፡ ጐይታና ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ከኣ ኣብ ሕቚፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩ።ኡ፡ በልዎ። ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዔኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡ፡ ንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ። ንሳ ኣዝያ መልክዔኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን። ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ። ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚእትገብር ዘሎኻ ኢሉ ኣየጒሀዮን። ንሲ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝተወለደቶ። ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ። ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዓን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን። ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሐረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም። ንነብዪ ናታንን ንበናያ ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን። ሽዕ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞን፡ ጐይታና ንጉስ ከይፈለጠ፡ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ በላ። ሕጂ ድማ ነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ክተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ። ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነገሰ በልዮ። እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ ኣትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ። ባትሴባ ኸኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት። ባትሴባ ድማ ድንን፡ ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ በላ። ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ። ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካንዮን። ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱስ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን። ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ። እንተ ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዐረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና። እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ። ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታን፡ ኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ። ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ ንሱስ ሎሚ ወሪዱ፡ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ጸዊዑዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ ኣለዉ። ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንንን ግና ኣይጸውዓናን። ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካን፡ እዚ ነገር እዚዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሊሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይ፡ በለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት። እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ከምቲ፡ ሰሎምን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሐልኩልኪ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ። ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን፡ በለት። ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ጸውዑለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ። እቲ ንጉስ ድማ በሎም፡ ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩምንወደይ ሰሎምን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ። ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ። ደድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ። በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣሜን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹን፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ። ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡በሉ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑ፡ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሱ፡ ብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት። ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽዉዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ሰምዕዎ። ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዔ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዚስማዕዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ በለ። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ፡ ኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡እቶ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎ፡ ብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ። ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሐጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ። እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ ኣትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎምን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረኣያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሀበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ። ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁ፡ ተንሲኦም ድማነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ። ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስኤ፡ ከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሐዘ። ንሰሎሞን ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ፈሪሁ እንሆ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ሒዙ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሐለለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ። ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣየትወድቕን፡ክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ኪመውት እዩ፡ በለ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለኣኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነሰኣሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽናዕ፡ ሰብኣይ ከኣ ኹን። እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ። እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞ፡ እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ፡ መገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየ፡ በለኒ። እቲ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርን፡ ነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉ፡ ብጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ። እምበኣር ከም ጥበብካ ግበር፡ ንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ። ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሀድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ይኹኑ። እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፡ ብዓል ባሑሪም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድልኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐልኩሉ። ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ። ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ። እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዔት። ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየ፡ በላ። ምሳኺ ደኣ ዘረባ ኣሎኒ፡ ድማ በለ። ተዛረብ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኵሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረ። ባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይና እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት። ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን፡ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበንስ፡ በጃኺ፡ ተዛረብዮ፡ በላ። ባትሴባ ኸኣ፡ ጽቡቕ፡ ንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት። ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከኣ ኪቕበላ ተንስኤ፡ ኢድ ድማ ነስኣላ፡ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት። ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉስ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሀብ፡ በለት። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡ፡ ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ ንሱ ኻባይ ዚዐቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽሩያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ። ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ነፍሱ እንተ ዘይኰይሁ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ። ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ነፍሱ እንተ ዘይኰይሁ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆየዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ሞተ ኸኣ። ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ፡ ናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ። በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዐሮ። ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዐበ፡ ንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮኣብ ምስ መጸ፡ ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሀዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሐዘ። ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሀደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ ኬድካ ቕተሎ፡ ኢሉ ሰደዶ። በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስ፡ ውጻእ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደኣ እመውት፡ በለ። በናያ ድማ፡ ዮኣብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይ፡ ኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ። ንጉስ ከኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ። ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚሕሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፡ ንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፡ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ወቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎም፡ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ። እወ፡ ደሞም ንዘለኣለም ናብ ርእሲ ዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን፡ በሎ። ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኻ ተቐብረ። ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆየዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ። እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኣ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ። ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ ጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ፡ ጊልያኻ ኸምኡ ይገብር፡ በሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ። ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስጋት፡ ሀደሙ። ንሸምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ሺምዒ ተንስኤ፡ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኺደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም። ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ በታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸዳላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩ፡ በልካኒ። ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሐሎኻዮ በሎ። ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዚፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ ኣሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ። ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ። ንጉስ ድማ ንበናይ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዔት። ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሕምነት ገበረ እሞ፡ ንጓል ፈርኦን ወሰዳ፡ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን እቲ ንየሩሳሌም ዚኸብብ ቀጽርን ነዲቑ ኽሳዕ ዚውድእ ከኣ፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ። ክሳዕ እተን መዓልትታት እቲኤን ገና ንስም እግዚኣብሄር ቤት ኣይተሰርሔን ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኽቲ ጥራይ ይስውእ ነበረ። ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ፈተዎ እሞ፡ ብሕጋጋት ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ኣብ በረኽቲ ግዳ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ጊብዖን ንሳ እታ ዓባይ ኲርባ ነበረት እሞ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብኣ ኺስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቲ ኸኣ ሰሎሞን ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገ። ኣብ ጊብዖን እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ በለ። ሰሎሞን ድማ በለ፡ ንስኻ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብጽድቅን ብቕንዕናን ልብን ምሳኻ እተመላለሶ፡ ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ነዚ ዓብዪ ምሕረት እዚ ሐሊኻ ኸኣ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ሀብካዮ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፡ ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ። ባርያኻ ድማ ኣብ ማእከል እዚ ስለ ምብዛሑ ዘይቊጸርን ዘይጽብጸብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘሎኹ። ነዚ ብዙሕ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ። ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመነ ድማ፡ ነገሩ ንጐይታ ባህ ኣበሎ። ኣምላኽ ከኣ በሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ኣይለመንካን፡ ሃብቲውን ኣይለመንካን፡ ነፍሲ ጸላእትኻ ድማ ኣይለመንካን፡ እዚ ነገር እዚ ደኣ ስለ ዝለመንካ፡ ፍርዲ ንምፍላይ ምስትውዓል ስለ ዝለመንካ፡ እንሆ፡ ብቕድሜኻ ኸማኻ ዝበለ ዘይትንስእ፡ ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ ሂበካ ኣሎኹ። ምስኡ ድማ፡ ብዂሉ ዘመንካ ኣብ መንጎ ነገስታት ከማኻ ዝበለ ዘይርከብ ገይረ ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሀብኩኻ። ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝኸዶ ኸኣ፡ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ክትሕሉ፡ ብመንገደይ እንተ ኸድካ፡ ዕድሜኻ ኸንውሕ እየ። ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕልሚ እዩ ዝነበረ። ናብ የሩሳሌም መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቈመ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣዕረገ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዂሎም ገላዉኡ ድማ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ኽልተ ኣመናዝር ኣንስቲ ናብ ንጉስ መጺኤን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ በለት፡ ዎ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ ኸሎኹ ኸኣ ወለድኩ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድኩላ መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣውን ወለደት። ንሕና ኸኣ ብሓንሳእ ነበርና፡ ኣብታ ቤት ድማ ብጀካ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብታ ቤትሲ ጓና ምሳና ኣይነበረን። ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ለይቲ ሞተ። ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ገረድካ ደቂሳ ከላ፡ ነቲ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ ኣብ ሕቚፋ ኣደቀሰቶ፡ ነቲ ምዉት ወዲ ግና ኣብ ሕቚፈይ ኣደቀሰቶ። ንግሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ እንተ ተንሳእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሞይቱ ጸንሔ። ንግሆ ምስ ጠመትክዎ ኸኣ፡ እንሆ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይኰነን። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እዚ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ በለት። እዚኣ ድማ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ በለት። በዙ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተዛራረባ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ እዚኣ፡ እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ እዚኣ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ ትብል አላ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ እሞ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ ኣምጽኡ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ነዚ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፡ እቲ ፈረቓ ኸኣ ነታ ሓንቲ ሀብወን። ሽዑ እታ እቲ ህያው ወዲ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ስለ ወዳ ኣምዑታ ተናወጻ እሞ፡ ነቲ ንጉስ፡ ዎ ጐይታይ፡ እዚ ህያው ሕጻን ንእኣ ሀብዋ እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፡ ንኣይ ወይስ ንኣኺ ኣይኹን፡ ቊረጽዎ ደኣ በለት። ሽዑ ንጉስ፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ እዚ ህያው ሕጻን ነዚኣ ሀብዋ፡ ኣዲኣኡ ንሳ እያ፡ ኢሉ መለሰ። ነዚ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዑ። ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ረአዩ እሞ፡ ንንጉስ ፈርህዎ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ። ሹማምንቱ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣዛርያ ወዲ ጻዶቅ፡ ካህን፡ ኤሎሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፡ ጸሓፍ ዛንታ፡ በናያ ወዲ የሆያድእ፡ ሓለቓ ሰራዊት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ፡ ኣዛርያ ወዲ ናታን ድማ ሓለቓ ሹማምንቲ፡ ዛቡድ ወዲ ናታን ከኣ ንንጉስ ኣማኻሪኡን ፈታዊኡን ነበረ። ኣሒሻር ኣዛዝ ቤት፡ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ ድማ ግብሪ ዜኽፍል እዩ ዝንበረ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሹማምንቲ ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ መዚ ነበሮም። ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ቤንሑር ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ቤን ደቀር ኣብ ማቃዝን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ኤሎን ቤት ሓናን፡ ቤንሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፡ ሾኮን ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ። ቤን ኣቢናዳብ ኣብ ብዘሎ ሃገር ዶር። ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ነበረት። ባዓና ወዲ እሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን ኣብ ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ። ቤንገበር ኣብ ራሞት ጊልዓድ፡ እተን ኣብ ጊልዓድ ዘለዋ ዓድታት ያኢር ወዲ ምናሴ ንእኡ ነበራ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ዕርድታትን መሸጐሪ ኣስራዝን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዋ ድማ ንእኡ ነበረት። ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናይም፡ ኣሒዓማጽ ኣብ ንፍታሌም፡ ንሱ ድማ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን ኣብ ዓሎትን፡ ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፡ ሺምዒ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፡ ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ጊልዓድ፡ እታ ናይ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ናይ ኦግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሱ በይኑ ሹም ነበረ። ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ካብቲ ርባ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዂሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ንሰሎሞን ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ገጽ በረኸት የምጽእሉን ይግዝእዎምን ነበሩ። ምግቢ ሰሎሞን ከኣ ነንመዓልቲ ሰላሳ ቆሮስ ድኹም ሓሪጭ፡ ስሳ ቆሮስ ድማ ካልእ ሓሪጭ፡ ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑርን ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰይን ሚእቲ በጊዕን ነበረ፡ እዚ ድማ ብዘይ እርባትን ሰሰውሕን ዓጋዝንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ። ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ። ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ብኲሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ። ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛታት ነበርዎ። እቶም ሹማምንቲ እቲኣቶም ድማ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ናብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚቐርቡ ዂላቶምን ነፍሲ ወከፍ ወወርሖም ይምግቡ ነበሩ፡ ገለ ነገር እኳ ኣየጒደሉን ነበሩ። ነፍራስን ነቶም ጋለብቲ ኣፍራስን ዚኸውን ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተሰርዖ ስገምን ሓሰርን ናብታ ንሱ ዘለዋ ቦታ የምጽኡ ነበሩ። ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ። ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኲሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኲሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ። ካብ ኲሉ ሰብ ከኣ፡ ካብ ኤታን እቲ እዝራውን ካብ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፡ ደቂ ማሖል፡ ይጠብብ ነበረ። ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ወጸ። ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለ፡ መዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ። ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቊል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ። ካብ ኲሎም ህዝብታት ድማ፡ ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዂሎም ነገስታት ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ። ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኺነግስ ከም እተቐብኤ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ሒራም ከኣ ኲሉ ጊዜ ፈታው ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ገላዉኡ ሰደደሉ። ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም በሎ፡ ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፡ ንእግዚኣብሄር ንኣታቶም መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ኪሰርሕ ከም ዘይተኻእሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፉኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን። እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር፡ ነቦይ ዳዊት፡ እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ እሐስብ ኣሎኹ። ሕጂ ኸኣ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቚራጽ ኦም ዚፈልጥ ከም ዜልቦ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ቄድሮስ ኪቘርጹለይ አዝዝ። ገላዎይውን ምስቶም ገላዉኻ ይኹኑ፡ ውዕልለት ገላዉኻ ድማ ከምቲ እትብለኒ ዂሉ ገይረ ኽህበካ እየ። ኰነ ኸኣ፡ ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተሐጒሱ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ዝሀቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ብሩኽ ይኹን፡ በለ። ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ልኢኹ፡ ብዛዕባ ኣእዋም ቄድሮስን ብዛዕባ ኣእዋም ጽሕድን ኣነ ዂሉ ድላይካ ኽገብር እየ። ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኼውርድዎ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ እትልእከለይ ቦታ ኣብጽሔ ኣብኡ ኽፈትሖ እየ፡ ንስኻውን ትወስዶ። ንስኻ ድማ ንቤተይ ምግቢ ብምሃብካ ድላየይ ትገብረለይ፡ በሎ። ሒራም ከኣ ንሰሎሞን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድም ዝደለዮ ዘበለ ሀቦ። ሰሎሞን ከኣ ንሒራም ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዕስራ ቆሮስ ጽሩይ ዘይትን ንምግቢ ቤቱ ዚኸውን ሀቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ንዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ጥበብ ሀቦ። ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረ፡ ክልቲኣቶም ድማ ኪዳን ተኣታተዉ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤል ሐርዩ ዓየይቲ አከበ፡ እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኵኑ። እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ፡ ኣዶኒራም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓየይቲ ነበረ። ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዘዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓላቑ ሹማምንቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ። ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዘዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓላቑ ሹማምንቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ። ንጉስ ድማ እታ ቤት ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትሲ፡ ገዘፍቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን ኪዂዕቱ አዘዘ። እቶም ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ሒራምን እቶም ጊብሳውያንን ኰይኖም ከኣ ንመስርሒ እታ ቤት ኣዕጻውን ኣእማንን ቈረጹን ኣዳለዉን። ኰነ ድማ፡ በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ምንጋስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብ ወርሒ ዚፍ፡ ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ምስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ጀመረ። እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ። ነታ ቤት ድማ ዘይነቓነቕ መሳዂቲ ዓይነ ርጊ ገበረላ። ምስ መንደቕ እታ ቤት ኣጸጊዑ ኸኣ ኣብ ዙርያኣ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ጹርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ክፍልታት ቤት ሰርሔ። እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሐዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርያኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋሓ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ። እታ ቤት ክትስራሕ ከላ ኸኣ፡ ኣብቲ እተዃዕተላ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማን ተሰርሔት እሞ፡ ክትስራሕ ከላ ሞደሻዀነ ምሳር ኰነ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ሓጺን ኣብታ ቤት ኣይተሰምዔን። ደገ እታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት፡ ካብታ ማእከለይቲ ናብታ ሳልሰይቲ ድማ ብተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ። ነታ ቤት ከኣ ሰርሓ ፈጸማውን። ነታ ቤት ከኣ በግማልን ብኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና። ኣብ ብዘሎ ጸግዒ እታ ቤት ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሔ፡ ምስታ ቤት ከኣ በእዋም ቄድሮስ ኣጋጠምዎ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መጸ፡ ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘሎኻ ቤት፡ ብሕጋጋተይ እንተ ኸድካ፡ ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ፡ ንዂሉ ትእዛዛተይውን ክትከደሉ እንተ ሐሎኻዮ፡ እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ፡ ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሐድጎን እየ። ሰሎሞን ድማ ነታ ቤት ሰሪሑ ፈጸማ። ንመንደቕ እታ ቤት ብወገን ውሽጣ ኸኣ ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ነቲ ውሽጢ ብዕጨይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብኣልዋሕ ጽሕዲ ኸደኖ። ንውሻጠ እታ ቤት ድማ ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕላይ መንደቕ ዕስራ እመት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ፡ እዚ ኸኣ ንቤት ራእይ ኪዀኖ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ሰርሖ። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቤት፡ ንሱ ድማ እቲ መቕደስ፡ ኣርብዓ እመት ነበረ። ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ኣጒማን ክፉት ዕምባባን እተቐርጾ ቄድሮስ ነበረ። እምኒ እኳ ኣይተራእየን። ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብኡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኬንብረሉ፡ ቤት ራእይ ኣዳለወ። ውሽጢ እቲ ቤት ራእይ ከኣ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቊመቱውን ዕስራ እመት ነበረ፡ ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ ነቲ መሰውኢ ድማ ብቄድሮስ ከደኖ። ሰሎሞን ከኣ ነቲ ቤት ብውሽጡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ራእይ ድማ ዚጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፡ ብወርቂ ኸኣ ለበጦ። እቲ ቤት ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ፡ ንብዘሎ እቲ ቤት ብወርቂ ለበጦ፡ ንዂሉ እቲ መሰውኢ ቤት ራእይውን ብወርቂ ለበጦ። ኣብቲ ቤት ራእይ ከኣ ዓሰርተ እመት ዝቚመቶም ክልተ ኪሩቤል ካብ ኦም ኣውልዕ ገበረ። ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ድማ ሓሙሽተ እመት፡ ካልአይቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበራ። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ። እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም ልክዖም ሓደ፡ ስሎም ከኣ ሓደ ነበረ። ቊመት እቲ ሓደ ኪሩቤል ዓሰርተ እመት፡ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ከምኡ ነበረ። ነቶም ኪሩቤል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ውሽጣዊ ቤት ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርግሔን ነበራ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መንደቕ ተንከዮ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከኣ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ተንከዮ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተታናኸያ። ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም። ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትብ ቀረጾ። ነቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብውሽጥን ብግዳምን ብወርቂ ለበጦ። ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ። ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብኤን ቅርጺ ኪርቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጾ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ። ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ። ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ። ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ። ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ከኣ ሰለስተ መስርዕ ብጽሩብ እምኒ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ቄድሮስ ሰርሖ። እቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ራብዓይ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡ ንሳ ሳምነይቲ ወርሒ፡ እቲ ቤት ብኹሉ ክፍልታቱን ከምቲ እተመደበ ኹሉን ተፈጸም። ብሾብዓተ ዓመት ሰርሖ። ሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓ፡ ንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ። ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሔ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ። እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሔ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መስርዕ ዓሰርተው ሓሙሽተ ነበረ። ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ፡ ሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሔ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ። ድማ መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲ፡ ሰርሔ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ። እታ ዚቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መካበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ከምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ። እዚ ዂሉ ድማ ካብኡ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰ፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሔ። እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማን፡ ብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቐርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ። ነቲ ዓብዪ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበላ እቲ ቤትን፡ ሰለስተ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ። ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ ኣስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ገበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔ። ቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለትን ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ። ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ። እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሔ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስርዕ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ። ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ ነቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ። ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ። ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ። ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ክቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ። ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኲብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ። ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰር ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ። ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ። ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኵብ ነበሮ፡ እቲ መንኵብ ምስቲ ሰረት ድማ ብሓደ ነበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስ ትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ። ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ ሰርሖ። ዓሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ኦኣሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ። ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ። ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ። ነቲ ኽልተ ዓንድን ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን፡ ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡ ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡ ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን፡ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጾርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኸይመዘነ ሐደጎ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን። ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይትታን ከኣ፡ ነቲ ናይ ጽርይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ። እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሰሎሞን ከኣ ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ኬደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም አከቦም። ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡ ንሳ ኸኣ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተአከቡ። ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዐልዎ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደየብዎ። ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተአኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤልን ምስኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ። እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ። ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። ኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝአተወሉ ግዜ ዀነ። ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ። ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን። ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ። ንስኻ እትቕመጦ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ። በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትሰርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትሰርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ፡ እዚ ብልብኻ ስለ ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ። ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይትሰርሖን ኢኻ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሐ ኣሎኹ። ኣብኡ ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ንዘለዎ ታቦት ስፍራ ኣዳሎኹ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ። በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ። ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ። ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ለስ። ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበ ልካያ ቦታ፡ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ። ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል። ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ፡ ማሕላ ምሐል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኺምሕል እንተ መጸ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶ፡ ኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም። ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም። ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እተርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንዝህብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ። ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኰነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከ ቊስሊ ልቡ እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ። ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ። ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስርእኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ። ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም። እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እሞ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡ ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ፡ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝኣበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ኪገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሀቦም። ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብቲ እቶን ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዖዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዖዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ። ኮነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዩ ኹሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርክኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰዉኢ እግዚኣብሄር ተንሰኤ። ደው ኢሉ ኸኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ፡ እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፡ ምሳና ይኹን፡ ኣይሐደገናን ኣይግደፈናን። እቲ ነቦታትና ዝአዘዞም ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ብዂሉ መገድታቱን ኽንከይድ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ። እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን። እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን። ከምዚ ናይ ብሕጋጋቱ ኽትከዱ፡ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ልብኹም ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን። እቲ ንጉስ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውኤ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ንጉስን ኲሎም እስራኤልን ኰይኖም ከምዚ ገይሮም ቀደስዋ። እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታትን መስዋእቲ ምስጋናን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚእእሾሕቕላሦ ዥቅማዕ እእከላይ ኣጻድ ቀደሶ እሞ፡ ነቲ ዚሐርር ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ይስውኦ ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እትአቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ማሕበር ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ መዓልትን፡ ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በዓል ኣብዐሉ። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፡ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኲሉ ጽቡሕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ፡ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ። እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን። ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚሕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ። ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሀብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሐሎኹም፡ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡ ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሀብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ እስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ። እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ፡ ብእኣ ተገሪሙ ይፋጺ፡ ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ∶: ድማ ኪብሉ እዮም። ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሐዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ኪመልሱ እዮም። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጒስን፡ ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፡ ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሐገዞ፡ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሀቦ። ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ኪርእየን፡ ካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን። ሓወየ፡ እዘን ዝሀብካንስ እንታይ ከተማኤን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሻዕ ሎሚ ዚስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን። ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለትን ወርቂ ሰደደሉ። ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ኪሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዚግብሩ ኸምዚ እዩ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሐዛ፡። ብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን፡ ገዝማ ሀባ። ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤትሖሮንን ሰርሔን። ድማ ንበዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን፡ ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት መዛግብትን ከተማታት ሰረገላን ከተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ኪሰርሖ ዝደለየ ሰርሔ። ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፌሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰ ዂሎም ህዝቢ፡ ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ደቂ እስራኤል ኬጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ባሮት ገበሮም። ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፡ ተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምንቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን። እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዚዐዩ ህዝቢ ዚእዝዙ ሓሙሽተ ሚእቲን ሓምሳን እዮም። ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤት ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ። ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮንጋበር መራኽብ ሰርሔ። ሒራም ድማ በተን መረኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዚፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ። ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ። ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔት፡ ብሕንቅልሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት። ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጉዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ አተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ። ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላ። ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን። ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረአየት፡ መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላዉኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረአየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ። ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዚሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን ኣሎካ። እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ብጹኣን እዮም። እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንጉስ ክትከውን ሸመካ። ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሀበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን። እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕንጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ። ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘመራን ዚኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸን፡ ኣይተራእየን ድማ። ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት። ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ክልተ ሚቕእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ። ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ኸኣ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሰለስተ ምና ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ። ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ። እቲ ዝፋን ከኣ ብሸነኽ ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፍ ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ፡ ኣብኡ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስታት ኣይተገብረን። ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣቓሑ መሳተያ ድማ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑ ኸኣ ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ብሩር ኣይነበረን፡ ንሱስ ብዘመን ሰሎሞን ገለ እኳ ኣይቚጸርን ነበረ። ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ህበይን ኣዕዋፍን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመትሲ ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። በዚ ኸምዚ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ። ብዐለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ንገጽ በረኸቶም፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ። ሰሎሞን ከኣ ሰረገላታት ፈረሰኛታትን አከበ እሞ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ድማ ኣቐመጦም። እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ። እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ እዮም ዝወጹ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ቓፍላይ ከኣ ነንመጓሴ ብቚሩጽ ዋጋ ይወስዱ ነበሩ። ካብ ግብጺ ዚወጽእ ሰረገላ ድማ ነንሓደ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ይወጽእ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን። ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገስታትን ሶርያን ድማ ከምኡ እናገበሩ በእዳዎም የውጽኡሎም ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሴዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ። ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬምዘንብልዎም እዮም እሞ፡ ናባቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ። ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ። ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን። ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ። ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚቕኣብሄር ኣይሰዐቦን። ሽዑ ሰሎሞን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሔ። ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዚዐጥናን ዚስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ አዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ። እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ። ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ። ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሕእባላቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ኪቐብር ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ኪቐትል ከሎ፡ ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ። ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሀደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሀቦ፡ ቀለብውን አዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሀቦ። ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። እዛ ሓብቲ ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዚብሀል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ። ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ። ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እይደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ። ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሀደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ። ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ጊዜ፡ ሰባት አኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኣ ተቐመጡ፡ ኣብ ደማስቆውን ነገሱ። ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ። የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲእ ጽሩዓ፡ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዐለ። እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዐሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ጸገኖ። የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ። ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲእዕም ከኣ በይኖም ኣብ መፎር ነበሩ። ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጾ። ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቚራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን። ንኣይ ሐዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንከሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ኪገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን። ግናኸ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ዝሐለወ፡ ምእንቲ እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ። ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንስግቲ ብዘላስ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ። ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፡ ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን። ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሀደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን∶: እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ። ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ። ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ። ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንየሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነቲ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፡ ኢሉ ተማኸረ። ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮም፡ ምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒ∶: በሎም። እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ፡ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፡ ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ። ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም። ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ። ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ የሮብዓም መጹ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ኣቦይ ኣርዑትኩም፡ ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ፡ ተዛረቦም። ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣሎና∶: ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል ነናብ ድንኳኑ ኸደ። ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ። በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም አለዉ። ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎ። ብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዐባ ኣይነበረን። ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዋ፡ ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡ ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ። የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጳኑኤል ሰርሓ። የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም። ነቲ ሓደ ኣብ ቤትኤል ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ። እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ። ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ። የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ኪስውኣሎም ኣብ ቤትኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤትኤል ኣቘመ። ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤትኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም፡ ኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ። የሮብዓም ኪዐጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ናብ ቤትኤል መጸ። ብቓል እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ጨዲሩ፡ ኣታ መሰውኢ፡ ኣታ መሰውኢ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንቤት ዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣባኻ ዚዐጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም እዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብውን ኣባኻ ኼንድዱ እዮም፡ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሀበ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምልክት እዚ እዩ፡ እንሆ፡ እቲ መሰውኢ ኺነቅዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓመዂስቲ ኸኣ ፋሕ ኪብል እዩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ ቤትኤል ዘሎ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሐዝዎ በለ። እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ግና ነቐጸት እሞ ናብኡ ኺመልሳ ኣይከኣለን። ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ዝሀቦ ምልክት ድማ፡ እቲ መሰውኢ ነቕዔ፡ እቲ ሓመዂስቲውን ፋሕ በለ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ፡ ኢሉ መሰለሰሉ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ናብኡ ተመልሰት፡ ከም ቀደማውን ኰነት። እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ፡ ህያብን ክህበካ እየ፡ በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዚዝብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዚዝብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ። ብኻልእ መገዲ ኸኣ ከደ፡ በታ ናብ ቤትኤል ዝመጸላ መገድስ ኣይተመልሳን። ኣብ ቤትኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብሪ፡ እቲ ንንጉስ እተዛረቦ ነገር ኣዘንተወሉ። ንሳቶም ከኣ ነቦኦም ኣዘንተዉሉ። ኣቦኦም ከኣ፡ በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፡ በሎም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ርእዮም ነበሩ። ነቶም ደቁ ኸኣ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ በሎም። ኣድጊ ድማ ጸዐኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተወጥሔ። ደድሕሪ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ንስኻ ዲኻ∶: ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ምሳይ ናብ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕ፡ በሎ። ንሱ ግና ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስን ምሳኻ ኽኣቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ። ንሱ ግና ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስን ምሳኻ ኽኣቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ከማኻ ነብዪ እየ፡ መልኣኽ ድማ፡ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ከኣ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ፡ በሎ። ግናኸ ሐስይዎ እዩ። ምስኡ ተመልሰ፡ ኣብ ቤቱ ድማ እንጌራ በልዔ፡ ማይውን ሰተየ። ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል እግዚኣብሄር መጾ። ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ቸደረሉ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ስለ ዝዐሎኻዮ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘካ ትእዛዝውን ስለ ዘይሐሎኻዮ፡ ኣብታ እንጌራ ኣይትብልዓላ ማይ ከኣ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጌራ በላዕካ፡ ማይ ድማ ሰቴኻ፡ ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ። ኰነ ድማ፡ እንጌራ ምስ በልዔን ምስ ሰተየን፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዐነሉ። ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ። እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ። ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ጸዐኑሉ ኸኣ። ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን። ሽዑ እቲ ነብዪ ሬሳ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ድማ ጽዒኑ መለሶ። ኪበኽየሉን ኪቐብሮን ከኣ ናብ ከተማ እቲ ኣረጊት ነብዪ መጸ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ናብ መቓብሩ ኣንበሮ እሞ፡ ዋይዋይ ሓወይ፡ ኢሎም በኸዩሉ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ድሕርዚ ነገር እዚ የሮብዓም ኣብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፡ መሊሱ ደኣ ኻብቲ ህዝቢ ንበረኽቲ ማንም ካህናት ገበረ። ነቲ በረኽቲ ኻህናት ኪዀኑ ንዝደለየ ዘበለ ቀደሶ። እዚ ነገር እዚ ንቤት የሮብዓም ንሓጢኣትን ንምጥፋእን ካብ ልዕሊ ምድሪ ምጽናትን ኰና። በቲ ዘመን እቲ ኣቢያ ወዲ የሮብዓም ሐመመ። የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይትፍለጥስ፡ ክዳንኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ። ዓሰርተ እንጌራን ሕምባሻን ንጽባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሲ ነዚ ቘልዓ ዚኸውን ነገር ኪገልጸልኪ እዩ፡ በላ። ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምኡ ገበረት፡ ተንሲኣ ኸኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡ ናብ ቤት ኣሒያውን አተወት። ኣሒያ ግና ኣዒንት ብእርግና ፈዚዘን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከአለን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣሒያ እንሃ ሰበይቲ የሮብዓም ብዛዕባ ወዳ፡ ንሱ ሓሚሙ እዩ እሞ፡ ክትጥይቐካ ትመጽእ ኣላ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጋሻ ተመሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፡ ከምዝን ከምንዝ ኢልካ ተዛረባ፡ በሎ። ኰነ ኸኣ፡ ብደገ ኽትኣቱ ኸላ፡ ኣሒያ ኣእጋራ ድግድግ ኪብል ምስ ሰምዔ፡ በለ፡ ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ ጋሻ እትመስሊ፡ ኣነ ድማ ከቢድ ነገር ክነግረኪ ናባኺ ተላኢኸ ኣሎኹ። ኪዲ እሞ ንየሮብዓም በልዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕል ኣቢለ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገበርኩኻ፡ መንግስቲ ድማ ካብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ሀብኩኻ። ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሐለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር፡ ምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ፡ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኰንካን። ክፉእ ንምግባር ደኣ ኻብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዂሎም ገደድካ፡ ከተዀርየኒ ድማ ኬድካ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፡ ንኣይ ግና ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻኒ። ስለዚ እንሆ፡ ንቤት የሮብዓም ክፉእ ከምጽኣላ እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ፡ ፍቱሕ ኰነ ድማ ካብ ቤት የሮብዓም ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኸጽንት እየ። ፋንድያ ኸም ዚዂስተር ገይረ ኸኣ ንቤት የሮብዓም፡ ፈጺማ ኽሳዕ እትጠፍእ፡ ክዂስትራ እየ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነቲ ኻብ የሮብዓም ኣብ ከተማ ዝሞተ፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪህላማዓኦ እየን። ንስኺ ተንሲእኪ ንቤትኪ ኺዲ እሞ፡ እግርኺ ናብ ከተማ ኽትአቱ ኸላ፡ እቲ ቘልዓ ኺመውት እዩ። ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ፡ ካብ የሮብዓም እዚ ጥራይ ኣብ መቓብር ኪአቱ እዩ እሞ፡ ንእኡ ብዘለዉ እስራኤል እናበኸዩ ኪቐብርዎ እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት የሮብዓም ኪጽንታ እዩ። ሕጂ እሞ እንታይ ኪግበር እዩ∶: ሻምብቆ ኣብ ማይ ሰሰው ከም ዚብል፡ ንእስራኤል ድማ እግዚኣብሄር ኪወቕዖ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርዩስ ኣስታርቴታቶም ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሀቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምንቊሶም፡ ናብ ስግር ርባውን ኪዘርዎም እዩ። ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ንእስራኤል ከኣ ዘሕትኦም፡ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻውን መጸት፡ ንሳ ኣብ ልዳት ቤታ ምስ በጽሔት፡ እቲ ቘልዓ ሞተ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፡ ብነብዪ ኣሒያ፡ እተዛረቦ ቓል ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን። እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገር ድማ፡ እቲ እተዋግኦን እቲ ዝነገሶን፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። እቲ የሮብዓም ዝነገሶ ዘመን ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት እዩ። ምስ ኣቦታቱ ድማ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ። ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኼንብር ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ የሩሳሌም ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከኣ ኣቕንእዎ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልታትን ኣስተርቴታትን ሰርሑ። ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንየሩሳሌም ደየባ። ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ከኣ ወሰዶ። ንጉስ የሮብዓም ድማ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ተኸተልቲ ኣማዕቈቦም። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ዚኸይድ፡ እቶም ተኸተልቲ ድማ ይመልስዎ ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገር ድማ፡ ኲሉ ዝገበሮ ዘበለ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን∶: ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ። ሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ተቐብረ። ስም ኣዲኡ ድማ ናዓማ እዩ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣቢያም ነገሰ። ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስማ ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ። በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን። ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፡ ብድሕሪኡ ወዱ ኼተንስእ ንየሩሳሌምውን ኬጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሀቦ። ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝአዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን። ኣብ መንጐ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መንጐ ኣብያምን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ። ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ድማ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ። ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም። ነዲኡ ማዓካውን፡ ንኣስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ። ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶን። ኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድኣ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ። ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። ኣብ መንጐ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ። ባዕሳ ንግስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባ። ገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከሮሐድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ። ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሀቦም። ነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤንሃዳድ ድማ ንጉስ ሶርያ፡ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ልኢኹ፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝአቶኻዮ ኺዳንካ ኣፍርሶ፡፡ በሎ። ቤንሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ኪወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደ፡ ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልቤትማዓካን ንብዘላ ኪነትሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዐረን። ኰነ ኸኣ፡ ባዕዛ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስራሕ ሐዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ። ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሐደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱ፡ ንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሔን። ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣ፡ ኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሔን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ኣየሎን፡ ብጊዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሐመመ። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ። ባዕላ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሓሉ። ናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሐደገሉን። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሐደገሉን። ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕላ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ። ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ። ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡ ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬዀርዩኒ ስለ ዘስሓትካዮም፡ እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ልገብራ እየ። ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን። እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጳውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤላ ነገሰ። ከም ቤት የሮብዓም ኪኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎን፡ እቲ ነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ። ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጳ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሐሉ። ኣብ ቲርጳ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጳ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ኣርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡ ዚምሪ አትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ። ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለ፡ ካብ ዘመዱ ኰነ ካብ ፈተውቲ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን። ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ ዘስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ። ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ ዘስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን∶: ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጳ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ። እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎ፡ ኪብሉ ሰምዑ። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ። ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ። ኮነ ድማ፡ ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረአየ፡ ብሰሪ እቲ መገዲ የሮብዓም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸአ። ኮነ ድማ፡ ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረአየ፡ ብሰሪ እቲ መገዲ የሮብዓም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸአ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሐሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጻሒፉ ኣየሎን፡ ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ሰዐቦ። እቲ ፍርቂ ኸአ ንዖምሪ ሰዐቦ። እቲ ንዖምሪ ዝሰዐቦ ህዝቢ ድማ ነቲ ቲቦኒ ወዲ ጊናት ዝሰዐበ ህዝቢ ሐየሎ፡ ቲብኒ ኸአ ሞተ፡ ዖምሪውን ነገሰ። ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ከኣአ ገዝኤ። እተን ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ። ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዕደጋ፡ ኣብቲ ኸረን ከአ ሰርሔ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጎይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ። ዖምሪ ኸአ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ዚኸፋ ገበረ። ብኹሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ኪኾርይዎ፡ ብዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከደ። እቲ ዝተረፈ ምድሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ። ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዐመቱ ድማ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣክኣብ ወዲ ዖምሪ ኸአ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝኤ። ኣክኣብ ወዲ ዕምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ዚኸፍእ ገበረ። ኮነ ኸአ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤል፡ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልግሎ፡ ሰገደሉውን። ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል ኣገልገሎ ሰገደሉውን። ኣከኣብ ከአ ኣስታርተ ገበረ። ኣከኣብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜኾሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ። ብዘመነኑ ኸአ ሒኤል ቤትኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በኹሩ ሰረታ፡ ደጌታት ኸአ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቖሙ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንኣከኣብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እምኦ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እምኦ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ። ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ። እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕድሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ። ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ። ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ። ተንሲሱ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእአ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ በቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ። ከተምጽኣሉ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቚራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ። ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢላ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እኣሪ ኣሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት። ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድሚ ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄ ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ። ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወዲ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰኣን በርትዖ። ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ወድኺ ሀብኒ፡ በላ። ካብ ሕቚፋ ወሲዱ ኸኣ ናብታ ዚነብረላደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ። ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምስኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፡ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዓ በጥ ኢሉ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ፡ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ። ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሀባ፡ ኤልያስ ድማ፡ ርኣዪ፡ ወድኺ ሐውዩ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርኣዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ ኪርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ። ኣከኣብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖ። ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኦብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ፡ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም፡ እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ። ኣከኣብ ከኣ ንኦብድያ፡ ኲለን እንስሳ ኸይጠፍኣናስ፡ ኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድ፡ ምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕን፡ በሎ። ኪዀልዋ ድማ፡ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣከኣብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ። ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ተጓነፎ፡ ኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ በለ። ንሱ ድማ በሎ፡ እወ፡ ኣነ እየ። ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከኣብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ ጐይታይ ኪደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዜልቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሐሎም። ሕጂ ድማ ንስኻ፡ ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ኪቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ። በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ። ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ሎሚ ኸም ዝርኣዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ። ኦብድያ ኸኣ ንኣከኣብ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ነገሮ ድማ። ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ ኪቃባበሎ ኸደ። ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረኣዮ፡ ኣከኣብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ በሎ። ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዝት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሕሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገኩን። ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤልን ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ። ኣከኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲእች ወገን እትሕንክሱ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ሰዐቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግናሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን። ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም። እምብኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ኤንብሮ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይኣጒደሉን። ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ማልሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ። ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳኦ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበርን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺባራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም። ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳኦ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ። ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረ፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን። ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሐደሶ። ኤልያስ ድማ ከም ቊጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፡ ዓሰርተው ክልተ ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ። በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዚሕዝ ጒድጓድ ኰዐተ። ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ። በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ፡ በለ። ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወሰኹ። እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ማይ መልኤ። ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ፡ ምላሽ ሀበኒ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ። ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ተደፊኦም፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ እምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ በሉ። ኤልያስ ድማ፡ ንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቚ፡ በሎም። ሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም። ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ። ሽዑ ኣከኣብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕክዱ፡በሎ። ድዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለስ፡ በለ። ኰነ ድማ፡በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባሕሪ ትለዐል ኣላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ ብደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ። ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዐጡቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱ፡ ቀቅድሚ ኣከኣብ ይጐዪ ነበረ። ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ። ሽዑ ኤዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፡ ንኤልያስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓድ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣምልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ብኤርሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎ። ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቕኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ። እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እኒ እተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣለኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ነንፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓቂ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕድሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ። ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ። ንሱ ኸኣ ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡ ኣብኣ ምስ መጻእካ ድማ፡ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ። ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤልሚሆላ ድማ ኣብ ክንዳእካ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማ፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ። ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን፡ ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ። ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኽቦ፡ ንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበር። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየ ኪድ ተመለስ፡ በሎ። ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉ፡ ነቶም ህዝቢ ሀቦም፡በልዑውን። ተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ድማ ኲሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግኣ። ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ ናብቲ ኸተማ ልኡኽ ሰዲዱ ድማ፡ ቤትሃዳድ ከምዚይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፡ እተን ኣንስትኻን እቶም ዘዝጸበቑ ደቅኻንውን ናተይ እዮም፡ በሎ። ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ዘረባኻ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዂሉን ናትካ ኢና፡ ኢሉ መለሰሉ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም በልዎ፡ ቤንሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሀበኒ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፡ ግናኸ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፡ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኪጒርጒሩ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንዓይንኻ ባህ ዜብሎ ዂሉ ብኢዶም ሒዞም ኪወስድዎ እዮም። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዂሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ጸዊዑ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይከላእክዎን፡ እምበኣርሲ፡ በጃኹም፡ ንሱ ኽፉእ ከም ዚደልየና ርኢኹም ፍለጡ፡ በሎም። ኲሎም ዓበይትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ፡ኣይትስምዓዮ፡ ሕራይውን ኣይትበሎ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ቤንሃዳዲ በሎም፡ ንጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለኣኽካለይ ኲሉ ነገር ክገብሮ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ፡ በሉለይ። እቶም ልኡኻት ከኣ ከይዶም እዚ ንገር እዚ መለሱሉ። ቤትሃዳድ ድማ፡ ነዚ ዚስዕበኒ ዘሎ ዂሉ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዔዕምዂቲ እንተ በጺሕዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ኢሉ ለኣኸሉ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይጀሀር፡ በልዎ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኰነ ድማ፡ ቤንሃዳድ፡ ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኰይኖም ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ ነገረ እዚ ሰሚዑ፡ ንገላዉኡ፡ ተሰለፉ፡ በሎም። ነታ ኸተማ ኺወድቅዋ ኸኣ ተሰለፉ። እንሆ ድማ፡ ሓደ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነዚ ብዘሎ ብዙሕ ኣኼባስ ርኢኻዮዶ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ኣከኣብ ድማ፡ብመን በለ። ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር፡ በለ። መሊሱ ድማ፡ ነቲ ውግእካ መን ይጀምሮ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ፡ በሎ። ሽዑ ነቶም ገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር ቈጸሮም እሞ፡ ክልተ ሚእቲን ሰላሳን ክልተን ኰኑ። ድሕሪኦም ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ፡ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ቈጸሮም እሞ፡ ሾብዓተ ሽሕ ኰኑ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ወጹ። ቤንሃዳድ ግና፡ ንሱን እቶም ነገስታትን፡ እቶም ኪሕግዝዎዝመጹ ሰላሳን ክልተን ነገስታት ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ። እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገር ከኣ ቅድም ወጹ። ቤንሃዳድ ድማ ዚርእዮ ሰደደ እሞ፡ ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሰላም ወጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ ንውግእ እንተ ዀይኖም ዝወጹውን፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ። እዚኣቶም እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገርን እቲ ዝሰዐቦም ሰራዊትን ኰይኖም ካብታ ኸተማ ወጹ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰሰብኣዪ ቐተለ፡ ሶርያውያን ከኣ ሀደሙ፡ እስራኤል ድማ ሰጐጎም። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ብፈረስ ኣምለጠ። ንጉስ እስራኤል ከኣ ወጺኡ ንፈረስን ንሰረገላን ሰባበረ፡ ንሶርያውያን ብርቱዕ ስዕረት ሰዐሮም። ሽዑ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ ንጉስ ሶርያ በታ እትመጽእ ዓመት ድማ ኪድይበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ጽናዕ፡ እንታይ ከ እትገብር ከኣ ርኢኻስ ፍለጥ፡ በሎ። ነቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ እቶም ገላዉኡ በልዎ፡ ኣምልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፡ ስለዚ እዮም ካባና ዝሐየሉ። ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። እዚ ነገር እዚ ግዳ ግበር፡ ነዞም ነገስታት ነፍሲ ወከፍ ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ ራእስራት ሽም። ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት ንኣኻ ሰራዊት ፍቐድ፡ ፈረስ ከምቲ ፈረስ፡ ሰረገላውን ከምቲ ሰረገላ፡ ኣብ ጐልጐል ከኣ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። ንሱ ኸኣ ዘረባኦም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ። ኰነ ድማ፡ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ቤንሃዳድ ንሶርያውያን ቈጸሮም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ ደየበ። ደቂ እስራኤል ድማ ተቘጺሮም ስንቆምውን ሒዞም ኪቃባበልዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ክልተ ናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያና ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ። ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ሶርያውያን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን፡ስለ ዝበሉ፡ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም። እዚኣቶም ድማ ኣብ መንጽር እቲኣቶም ሾብዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ። እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሀደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ሰብ ከኣ መካበብያ ወደቖም። ቤንሃዳድ ድማ ሀዲሙ ናብታ ኸተማ ናብ ፍቕዳ ውሻጠ ይኣቱ ነበረ። ገላውኡ ኸኣ፡ እንሆ ሕጂ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል ምሕረተኛታት ነገስታ ምዃኖም ሰሚዕና ኣሎና እሞ፡ ምናልባሽ ህይወትካ እንተ መሐረካስ፡ በጃኻ፡ ኣብ ሕቜና ወጮ ተዐጢቕና፡ ኣብ ርእስና ኸኣ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ፡ በልዎ። እምብኣርሲ ወጮ ተዐጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል ድማ መጺኦም፡ ጊልያኻ ቤንሃዳድ፡ ንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋ፡ ኢሉ ይልምነካ ኣሎ፡ በልዎ።ንሱ ኸኣ፡ ገናዶብህይወቱ ኣሎ ንሱ ሓወይ እዩ፡ በለ። እቶም ሰባት ድማ ነዚ ጽቡቕ ፋል ገይሮምዎ፡ ተቐላጢፎም፡ እወ፡ ቤንሃዳድ ሓውካ እዩ፡ ኢሎም ብእኡ ሐዝዎ። ንሱ ኸኣ። ኪዱ፡ ኣምጽእዎ፡ በለ። ቤንሃዳድ ናብኡ ወጸ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ። ቤንሃዳድ ድማ፡ እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፡ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ግበር፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ ኣነ ድማ በዚ ውዑል እዚ እሰደካ፡ በሎ ምስኡ ኺዳን ኣትዩ ኸኣ ሰደዶ። ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነብያት ድማ፡ ብቓል እግዚኣብሄር ንብጻዩ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዑ ኣበየ። ሽዑ ንሱ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካ፡ እንሆልካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ፡ በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቕዖ፡ ወቒዑ ድማ ኣቚሰሎ። እቲ ነብዪ ኸኣ ከይዱ፡ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፡ መልክዑ ለዊጡ፡ ነቲ ንጉስ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ተጸበዮ። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዔ። ጊልያኻ ናብ ማእከል ውግእ ወጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሐልዎ፡ ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ኣምጽኣለይ። እንተ ጠፍኤ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኽትሐልፍ እያ፡ ወይ ሓደ ታለንት ብሩር ክትከፍል ኢኻ፡ በለኒ። ኰነ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዐዪ ኸሎ፡ ንሱ ጠፍኤ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ባዕልኻ ቘሪጽካዮ፡ ፍርድኻ ኸምኡ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ንሱ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ፡ ነቲ ንጉስ ድማ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ዝሐረምክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካስለ ዝሰደድካዮ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጒህዩ፡ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ። ድሕርዚ ነገር እዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣዳራሽ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ኣከኣብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፡ ሀበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ናቦት ድማ ንኣከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ በቲ ናባት ይዝርኤላዊ፡ ርስቲ ኣቦታተይ ኣይሀበካን፡ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወ ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ ኣበየ። ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣ፡ እንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሀበኒ፡ ኢለዮ ነበረኩ፡ ንሱ ግና ኣታኽልቲ ወይነይሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒ፡ በላ። ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጅስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ብልኻውን ይተሐጐስ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ። ብስም ኣከኣብ ደብዳቤታት ጽሒፋ፡ ብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን። ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉ። ኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጽሐፈት። እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም፡ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ። ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ፡ ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ፡ ሞይቱ፡ ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ። ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝኣበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶ፡ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ፡ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣከኣብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ። ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀቲልካስ፡ ወረስካዮዶ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ። ኣከኣብ አኣ ንኤልያስ፡ ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ክትገብር ስለ እተሸጥካ፡ እወ ረኺበካ። እንሆ፡ ኣነ ኽፉእ ከምጽኣልካን ክዂስትረካን እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ ፍቱሕ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኻብ ኣከኣብ ከጽንቶ እየ። ስለቲ ዘቘጣዕካኒ ቚጥዓን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሐትካዮን፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መካበብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም። ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን። ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከኣብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረ። ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጣኦታት ብምስዓቡ ብዙሕ ፍንፋን ነገር ገበረ። ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደድ፡ ስጋኡ ማቕ ከዲኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰ፡ ቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ። ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎ፡ ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዲ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ። ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ከኣ ውግእ ዜልቦ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ። ኰነ ድማ፡ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንገላዉኡ፡ ራሞትጊልዓድ ናትና ምዃናስ ትፈልጡዶ ኣሎኹም ንእኣ ኻብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኸይንወስዳ ድማ ንሕና ስቕ ኢልናዶ ኣሎና በሎም። ንዮሳፋጥ ከኣ፡ ንራሞትጊልዓድ ክንዋጋኣስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣነ ኸማኻ እየ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም፡ በሎ። ዮሳፋጥ ከኣ ነቲ ንጉስ እስራኤል፡ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ክትሐትት፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ ንራሞትጊልዓድ ክዋጋእዶ ክኸይድ ወይ ክተርፍ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደይብ ደኣ፡ ጐይታ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ በሉ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ገናዶ እንሐቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ የልቦን በለ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ገና ሓደ ሰብኣይ፡ ሚክያስ ወዲ ዪምላ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሐቶ እባ ኣሎ። ግናኸ ንሱ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፡ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኲላቶም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ። ጻድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሶርያውያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፡ በለ። ኲሎም ነብያት ድማ ከምኡ፡ ናብ ራሞትጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረብሉ ኣለዉ፡ ዘረባኻ ድማ፡ በጃኻ፡ ከም ዘረባ ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ፡ ጽቡቕ ተዛረብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ሚክያስ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚብለኒ፡ ንእኡ ኸም ዝዛረብ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ። ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ፡ ኣታ ሚክያስ፡ ኬድናዶ ንራሞትጊልዓድ ክንዋግኣ፡ ወይስ ክንተርፍ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ኣይትዛረበኒ፡ ኣነ ኽንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ በሎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፡ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ፡በለ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩ ደይበልኩኻን በሎ። ሚክያስ ድማ በሎ፡ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጠ፡ ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሙ ቘይሙ ርኤኹ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ንኣከኣብ ናብ ራሞትጊልዓድ ደዪቡ ኣብኡ ኺወድቕሲ፡ መን ይሐባብሎ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ በለ። ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ፡ ኣነ ኽሐባብሎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብምንታይ ጌርካ በሎ። ንሱ ድማ፡ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኲሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንስኻስ ትሐባብሎ ኢኻ፡ ትኽእሎ ድማ፡ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፡ በሎ። ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣፍ እዞም ኲሎም ነብያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ። ሽዑ ጻድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምንጋጋኡ ጸፍዖ፡ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ኺዛረብ ካባይ ዝሐለፈስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ድማ በለ። ሚክያስ ከኣ፡ እንሆልካ፡ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ኽትርኢ ኢኻ፡ በለ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፡ ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለሶ፡ በለ ከኣ፡ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግበርዎ፡ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ። ሚክያስ ድማ፡ ርግጽ ብሰላም እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝቢ ዂላትኩም፡ ስምዑ፡ ከኣ በለ። ከምኡ እቲ ንጉስ እስራኤልን፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞትጊልዓድ ደየቡ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፡ ንስኻ ግና ልብስኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራእሕአል ከኣ ትርኢቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ። እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ሰላሳን ክልተን ሓላቑ ሰረገላታቱ፡ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ፡ ምስ ዓብዪ ዀነ ኣይትዋግኡ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ እዚ ርግጽ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ፡ በሉ፡ ኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ኣግለሱ። ዮሳፋጥ ድማ ጨርሔ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ካብ ምስጓጉ ተመልሱ። ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፡ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠም ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ኢድካ ምለሳ፡ ካብዚ ሰፈር ኣውጽኣኒ፡ በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔ፡ እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውና ኰይኑ ኣብ ሰረገላኡ ደው ኢሉ ነበረ፡ ምሸት ድማ ሞተ። ደም እቲ መውጋእቱ ኸኣ ናብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ። ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይመለስ፡ ዚብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሐለፈ። እቲ ንጉስ ድማ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ወሰድዎ፡ ነቲ ንጉስ ድማ ሰማርያ ቐበርዎ። ነቲ ሰረገላ ኸኣ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ሐጸብዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሐስዎ፡ ኣመናዝር ከኣ ኣብኡ ተሐጽባ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣከኣብ ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን እተን ዝሰርሔን ኲለን ከተማታት ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣከኣብ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ። ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ ድማ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ዮሳፋጥ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሂ እያ። ንሱ ብዂሉ መገዱ ኣቦኡ ኣሳ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን። ነቲ በረኽቲ ግና ኣየርሐቕዎን፡ እቶም ህዝብስ ገና ኣብ በረኽቲ ደኣ ይስውኡን ይዐጥኑን ነበሩ። ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን እቲ እተዋግኦን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን እቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ኣጥፍኦም። ሽዑ ግና ኣብ ኤዶም ንጉስ ኣይነበረን፡ ምስሌነ እዩ ዚገዝእ ዝነበረ። ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኼምጽኣ መራኽብ ተርሲስ ሰርሔ፡ ግናኸ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮንጋበር ተሰብራ እምበር፡ ኣይከዳን። ሽዑ ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ፡ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ብመርኸብ ይኺዱ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን። ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ። ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ድማ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመቱ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ክልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ገዝኤ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን ብመገዲ ኣዲኡን ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘስሐተ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከደ። ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንበዓል ኣገልገለ ሰገደሉውን እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዀረዮ። ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ሞኣብ ካብ እስራኤል ዐለወ። ኣሓዝያ ኸኣ ካብቲ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ ብዓይኑ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሐመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሐዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይ፡ በሎም። ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቃባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ። ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቃባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ። እቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩም በሎም። ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ሓደ ሰብኣይ ኪቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ዝለኣኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር፡ ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኺቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብኣይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ውረድ፡ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ። ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም። መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ። ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ድማ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዕም። መሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላውኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና። እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም። ሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ይኹን። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ። ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሐቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር። ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተ። ወዲ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ። ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ቤትኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤትኤል ወረዱ። እቶም ኣብ ቤትኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። ኤልይስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ። እቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ክልቲኦም ከኣ ኸዱ። ካብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ። ሽዑ ኤልያስነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ፡ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ ብጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከለኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ። ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለው፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ ሞንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዐረገ። ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ ኣሎ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ። እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽሩ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ምስ ረኣይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሐዲሩ ኣሎ፡ በሉ። ኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ። ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላውኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት ኣለው እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻ፡ ከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይትስደዱ፡ በለ። ክሳዕ ዚሐፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ ስደዱ፡ በሎም። ሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን። ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጢ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፡ በሎም። ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቅ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ፡ ጨው ድማ ግበሩሉ፡ በለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ። ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኣ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን። እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ። ካብኡ ኸኣ ናብ ቤትኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጽሉ። ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ። ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ። ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋኣ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ። ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን። ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዐለወ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ። ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዐልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብ፡ ኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብ በለ። ንጉስ እስራኤል ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱ፡ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዘሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ። ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል፡ ኣየ፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸውዖም፡ በለ። ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሐተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ገላው ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ። ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣራኺቡና ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደኣ ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ ዝጸውዖም፡ በሎ። ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡ በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዐቱ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደኣ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ። ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ከኣ በእማን ከተባላሽውዎ ኢኹም። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚዐርገላ ጊዜ፡ እንሆ፡ ማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጾ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልኤት። ብዘለው ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪዐጥቕ ዚኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ። ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸብረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ምስ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሑ ረኣይዎ። ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበኣር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽ፡ በሉ። ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተው ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኦም ሀደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተው። ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኤእምኖም ደርበዮም መልእዎ፡ ንዂሉ ዓይኒ ማያትዎን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎ። ንቂርሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዜትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ። እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረኣየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከኣሉን። ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ። ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብኣየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ ብዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ ኣሎ፡ ኢላ ጠርዔት። ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ኣብ ቤትከ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ንጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት። ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራዩ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ። እተዊ፡ ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሽጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ጐይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ። ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ፡ ድሕሪኣ ድሕሪ ደቃን ነቲ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት። ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ ኣምጽኣለይ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደጊምሲ ጐይቢ የልቦን፡ በላ።እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ። ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ፡ ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ። ሓደ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ኤልሳእ ናብ ሹኔም ሐለፈ። ኣብኡ ኸኣ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ፡ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኲሉ ሳዕ ብእኡ ምስ ዚሐልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ። ንሰብኣያ ኸኣ፡ እንሆ፡ እዚ ወርትግ በዚ ዚሐልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እምበኣርሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ንእሽቶ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናባና ምስ ዚመጽእ፡ ናብኣ የግልስ፡ በለቶ። ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ቤት ኣግሊሱ ድማ ኣብኣ ደቀሰ። ንገሓዚ ድማ፡ እቲ ግልያኡ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ምስ ጸውዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። ንሱ ኸኣ ንእኡ፡ እንሆ፡ እዚ ዂሉ ሓልዮት እዚ ሐሌኽልና፡ እንታይ እሞ ኺግበረልኪ እዩ ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊት ዚዝረብዶ ኣሎኪ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘሎኹ፡ በለት። እንታይ ደኣ ኽገብረላ እየ በላ። ገሓዚ ኸኣ፡ ውሉድ እምበር የብላን፡ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጸውዓያ፡ በለ። ምስ ጸውዓ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ደው በለት። ንሱ ኸኣ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቚፊ ኢኺ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሐስዋ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ፡ ንዓመታኡ በታ ጊዜ እቲኣ ወዲ ወለደት። እቲ ቘልዓ ድማ ዐበየ። ኰነ ኸአ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣቦኡ ናብ ዓጻዶ ወጸ። ነቦኡ ድማ፡ ርእሰይ፡ ርእሰይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ንጊልያኡ፡ ሐንጊርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ፡ በሎ። ሐንጊሩ ኸኣ ናብ ኣዲኡ ኣእተዎ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ርብካ ኾፍ በለ፡ ሽዑ ሞተ። ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፡ ብድሕሪኡ ሸጒራቶ ወጸት። ንሰብኣያ ጸዊዓ ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጐይየ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላውን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ሰርቂ ወርሒ ኣይኰነ፡ ሰንበትውን ኣይኰነ፡ ስለምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ በላ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት። ሽዑ ነታ ኣድጊ ጽዒና ነቲ ጊልያኣ፡ ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡ በለቶ። ተበጊሳ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከደት። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረኣያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ እታ ሹናማዊት፡ ኣብኡ እንሃ፡ በጃኻ፡ ሕጂ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኺ ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ እቲ ወዲኸ ደሓንዶ ኣሎ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት። ናብቲ ኸረን፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ መጸት ከኣ፡ በእጋሩ ኣጽኒዓ ሐዘቶ። ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ፡ ሕደጋ ደኣ፡ እግዚኣብሄር ግዳ ሐቢኡለይ እዩ፡ ኣይገለጸለይን ድማ፡ በሎ። ንሳ ኸኣ፡ ወዲ ሀበኒ ኢለዶ ኻብ ጐይታይ ለሚነ ነይረ እየ ኣይትጠብረኒዶ ኢለካ ኣይነበርኩን በለት። ሽዑ ንገሓዚ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ፡ በትረይ ኣብ ኢደይ ሒዝካ ኺድ፡ ገለ ሰብ እንተ ረኸበካ ኸኣ፡ ከመዓልካ ኣይትበሎ፡ ከመዓልካ እንተ በለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ፡ በሎ። ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ከይሐድገካ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለት። ተንሲኡ ድማ ደድሕሪኣ ኸደ። ገሓዚ ኸኣ ቀዲምዎም ሐሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፡ ግናኸ ደሃይ ኣይነበሮን፡ ምስማዕውን ኣይነበሮን። ሽዑ ኺቃባበሎ ተመሊሰ፡ እቲ ቘልዓ ኣይተንስኤን፡ ኢሉ ነገሮ። ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ። ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቲ ማዕጾ ሸጐሮ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ። ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፡ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሔ። ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ። መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ፡ ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ። ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ጸውዓ ኸኣ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ፡ ወድኺ ውሰዲ፡ በላ። ኣትያ ኸኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት። ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነብያት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቚራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም፡ በሎ። ሓደ ኸኣ ሓምሊ ኺሐምል ናብ መሮር ወጸ፡ ወይኒ መሮር ድማ ረኸበ፡ ካብኡ ኸኣ ሓምሊ መሮር ሐሚሉ ኽዳኑ መሊኡ ኣተወ፡ ስለ ዘይፈለጥዎ ድማ፡ ናብቲ ቚራዕ ቀርደዶ። ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሓሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ጸብሒ ኺበልዑ ኸለው፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዚ ቚራዕ ሞት ኣሎ፡ ኢሎም ጨደሑ። ኪበልዕዎ ኸኣ፡ ኣይከኣሉን። ሽዑ ንሱ፡ ሓርጭ ኣምጽኡ፡ በለ። ኣብ ቊራዕ ኣእትይዎ ድማ፡ ምእንቲ ኺበልዑ፡ ነቶ ህዝቢ ቕድሕሎም፡ በለ። ድሕርቲ ኣብቲ ቚራዕ ገለ ኽፋእ ነገር ኣይነበረን። ካብ በዓልሻሊሻ ድማ ሰብኣይ መጾ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ናብ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምጽኣሉ። ንሱ ድማ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሀቦም፡ በለ። እቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ከቕርበሎም እየ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደኣ ሀቦም ይብልዕዎ፡ በለ። ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ። ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሐለቓ ሰራዊቱ፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ። ሶርያውያን ድም ሓደጋ ኺወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት። ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ፡ ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት። ንእማን ከኣ ኣትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበኣርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ። ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣብ ምስ መጸትካ፡ እንሆ፡ ንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጺ ኽሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፡ ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎ፡ በጃኹም፡ ፍለጡን ርኣዩን፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኺፈልጥሲ ናባይ ይምጻእ፡ በሎ። ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ። ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሐጸብ፡ እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ፡ ክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ። ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጵርንዶ ግዳ ኣይምጸሬኹን በለ። ተናዲዱ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ። ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ ተሐጸብ እሞ ጽረ፡ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ ኢሎም ተዛረብዎ። ሽዑ ወሪዱ፡ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ፡ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን። ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጅስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል፡ በለ። ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ኪቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ። ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሮት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ። በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ ጐይታይ ኣብ ቤት ረሞን ኣብኣ ኺሰግድ ኢሉ ምስ ዚኣቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ። ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሐፎ። ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ እየ፡ በለ። ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዐበ። ንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኺጐዪ ምስ ረኣዮ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶ በለ። ንሱ ድማ፡ ደሓን፡ ጐይታይ ደኣ፡ እነው ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሀቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒ፡ በለ። ንእማን ከኣ፡ ኤረ ኽልተ ታለንት ውሰድ፡ በለ። ግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳዊንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ። ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶም፡ ከዱውን። ንሱ ኸኣ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ኪቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን ብሩር ክትወስድ፡ ክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ጊዜኡ ድዩ እምበኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ። እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳእ፡ እንሆ፡ እዛ ኣብ ቅድሜኻ ኣብኣ እንነብር ዘሎና ቦታ ጸቢባትና እያ። በጃኻ፡ ክሳዕ ዮርዳኖስ ንኺድ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓሓደ ሰርወ ኣምጺእና ኸኣ፡ ኣብኣ እንነብረላ ስፍራ ንኣና ንስራሕ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ኪዱ፡ በለ። ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ በጃኻ፡ ንስኻውን ፈቲኻ ምስ ገላውኻ ኺድ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ፡ ኣነ እኸይድ፡ በለ። ምሳታቶም ከኣ ኸደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ድማ፡ ሰርወ ቘረጹ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻባታቶም ሰርወ ኪቘርጽ ከሎ፡ እቲ ሓጺን ነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ። ሽዑ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ንሱ ድማ ናይ ልማኖ እዩ፡ ኢሉ ጨርሔ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኸኣ፡ ኣበይ ወዲቑ በለ። እታ ቦታ ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሱ ዕጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ፡ እቲ ሓጺን ከኣ ጸብለል በለ። ሽዑ ድማ፡ ውሰዶ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ። ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኤ። ምስቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ኣብ ቦታ እከለን እከለን ክሰፍር እየ፡ ኢሉ ተማኸረ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ይወርድዋ ኣለው እሞ፡ ብእኣ ኸይትሐልፍ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነገሮን ዝመዐዶን ቦታ ይሰድድ ነበረ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ንርእሱ ተጠንቀቐ። ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዚ ተሸበረ፡ ነቶም ገላውኡ ጸዊዑ ኸኣ፡ ካባናስ እቲ ምስ ንጉስ እስራኤል ዝሓሳቡ መን ምዃኑዶ ኣይትነግሩንን ኢኹም በሎም። ሓደ ኻብቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ፡ እቲ ኣብታ እትድቅሰላ ሕልፍኚ እተዛረብካዮ ዘረባ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ልኢኹ ኸምጽኦስ፡ ንሱ ኣበይ ከም ዘሎ ኺድ ርኣዩ፡ በለ። እንሆ፡ ኣብ ዶታን ኣሎ፡ ኢሎም ከኣ ነገርዎ። ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገይሩ ናብኣ ሰደዶ፡ ብለይቲ መጺኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለውስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረኣየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ። ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳእ ድማ ብዑረት ወቕዖም። ሽዑ ኤልሳእ፡ እታ መገድስ እዚኣ ኣይኰነትን፡ እታ ኸተማ ኸኣ እዚኣ ኣይኰነትን፡ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምሲ፡ ደድሕረይ ስዐቡ፡ በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ ወሰዶም። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተው፡ ኤልሳእ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኪርእዩስ ኣዒንቲ እዚኣቶም ክፈት፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ረኣዩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ነበሩ። እቲ ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኤልሳእ፡ ክቐትሎምዶ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይትቕተሎም፡ ነቲ ብሴፍካን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮኸ፡ ንስኻ ትቐትሎዶ በሊዖምን ሰትዮን ግዳ ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ ኣብ ቅድሚኦም ግዳ እንጌራን ማይን ኣቕርበሎም፡ በለ። ዓብዪ ምሳሕ ከኣ ገበረሎም፡ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም ከኣ ኸዱ። ድሕርቲ ኸኣ እቶም ሓደጋ ዚወድቁ ጭፍራ ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይተመልሱን። ድሕርቲ ድማ ዀነ፡ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ኸኣ ከበባ። ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እንሆ ድማ፡ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩር፡ ስልዖ ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ኣጸበቡላ። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢላ ጨርሓትሉ። ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ዘይረድኣክስ፡ ካብ ምንታይ ክረድኣኪ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽመቚ ወይኒ በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፡ ንወደይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖ፡ በለትኒ። ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ፡ ንሳ ግና ነቲ ወዲ ሐብኣቶ፡ በለት። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ማቕ ከም ዘለዎ እቲ ህዝቢ ተኣየ። ንሱ ድማ፡ ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ቘይማስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ በለ። ኤልሳእ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንሱ ነቶም ዓበይቲ፡ እዚ ወዲ ቐታል ነፍስስ ርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ትርእዩ ኣሎኹም እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ፡ ርኢኹም ነቲ ማዕጾ ሸጒርዎ እሞ ብማዕጾ ድፍእዎ፡ ድሕሪኡኸ ደሃይ እግሪ ጐይታኡዶ ኣይሰማዕን፡ በሎም። ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወሪዱ፡ እንሆ፡ እዚ እከይ ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክጽበዮ እየ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል ኪሽመት እዩ። እቲ ንጉስ ኣብ ኢድ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዚገብርሲ፡ እዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ። ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንትይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት ኣሎ እሞ፡ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ። ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኪኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን። ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታትን ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሀሉ። ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦም፡ ሀደሙ። ድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ። እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፡ ከይዶም ከኣ ሐብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተው፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱ፡ ከይዶምውን ሐብእዎ። ሽዑ ንሓድሕዶም፡ እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና ኣሎና፡ ንግሆ ኽሳዕ ዚበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገር፡ ተባሃሀሉ። መጺኦም ድማ ንዘብዔኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ዀነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ። እቶም ዘብዔኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ። እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላውኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም ኣለው እሞ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጹ፡ ብህይወቶም ንሕዞም፡ ናብ ከተማ ኸኣ ንኣቱ፡ ኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሐቢኦም ኣለው፡ በሎም። ሓደ ኻብ ገላውኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለው ኣፍራስ፡ በጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱ፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድኤ እስራኤል እዮም እሞ፡ ኪስልዩ ንስደዶም፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፡ እቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርኣዩ፡ ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውይን ሰደዶም። ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ። እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሕን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርዕጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላክ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ። ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድም ኣብሲቃል ኪሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኽኣ ዀነ። እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉ መሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኢሉ ነበረ። ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ። ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንሰኣላ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱ፡ ኢሉ ተዛረባ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ስብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት። እቲ ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዂሉ ዓብዪ ነገር ንገረኒ፡ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ምውት ከም ዘተንስኤ፡ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እንሃ ኸኣ፡ እታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ኣብ ንጉስ ጠርዔት። ሽዑ ገሓዚ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እያ፡ እቲ ኤልሳእ ዘተንስኦ ወዳውን እዚ እዩ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሐተታ፡ ንሳ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ስሉብ ሀባ እሞ፡ ዝነበራ ዘበለ ዂሉን ነታ ምድሪ ኻብ እትሐድጋ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ እቶት እቲ ግራትን ኣምልሰላ፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸ። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሐሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጽኡ ኣሎ፡ ኢሎም ነገረዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎ፡ ገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እየ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎ። ሓዛኤል ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዚኣክል ሒዙ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሐዊ እየ ኢሉ ናባኻ ልኡኹኒ፡ በለ። ኤልሳኣ ከኣ በሎ፡ ኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሐዊ ኢኻ፡ በሎ፡ ግናኸ ብርግጽ ከም ዚመውት፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዚሐንኽ ተኲሩ ጠመቶ፡ በኸየ ኸኣ። ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፋኣ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስ፡ ነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትል፡ ንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕ፡ ንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎ። ሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ። ካብ ኤልሳእ ከኣ ኸደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጾ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ በሎ። ንሱ ድማ ፡ ብርግጽ ክትሐዊ ኢኻ፡ በለኒ። ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ኣብ ገጹ ገበረሉ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ። ንዮራም፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ድማ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም፡ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ዘበለ ገበረ። እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዘተስፈዎ፡ ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፡ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን። ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ። ሽዑ ዮራም፡ ኲሉ ሰረገላታቱ ኸኣ ምስኡ፡ ናብ ጻኢር ሐለፈ። ብለይቲ ተንሲኡ ድማ፡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረገላታትን ሰዐሮም፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ዐለወት። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮራም ነገርን እቲ ኹሉ ዝገበሮን። ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ ዮራም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ። ንዮራም ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ። ንሱ ምስ ቤት ኣከኣብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ። ከም ቤት ኣከኣብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋኣ ገበረ። ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኰይኑ ድማ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞትጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ። ንጉስ ዮራም ከኣ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመልሰ። ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮራም፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኪርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ። ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ በሎ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ እዚ ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ራሞትጊልዓድ ኪድ። ኣብኣ ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ንየሁ ወዲ ዮሳፋጥ፡ ወዲ ነምሺ፡ ኣብኡ ድለዮ፡ ኣቲኻ ድማ ካብ ማእከል ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ንእኡ ናብ ውሽጢ ሕልፊኚ ኣእትዎ። ሽዑ ነቲ ቐርኒ ዘይቲ ውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሲስካ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ እየ፡ ድማ በሎ። ሽዑ ማዕጾ ኸፊትካ ህደም፡ ኣይትደንጒ። እቲ መንእሰይ፡ ጊልያ እቲ ነብዪ፡ ከኣ ናብ ራሞትጊልዓድ ከደ። ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቶም ሓላቑ እቲ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ ጒዳይ ኣሎኒ፡ በለ። የሁ ድማ፡ ካብ ኲልናስ ምስ መን እዩ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ፡ በለ። ተንሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣተወ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ኲሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስ፡ ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ። ብዘላ ቤት ኣካኣብ ክትበርስ እያ፡ ኣብ እስራኤል ድማ እሱር ኰነ ዘይእሱር፡ ኣብ መንደቕ ተጻጊዑ ዚሸይን ዘበለ፡ ካብ ኣከኣብ ከጸንት እየ። ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዱ ኣሒያን ክገብራ እየ። ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ኸኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ። የሁ ናብቶም ገላው ጐይታኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ደሓን ድዩ እዚ ዕቡድ እዚ እንታይ ደልዩ እዩ መጺኡካ ዝነበረ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ነቲ ዘረባኡን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ሓሶት እዩ፡ ንስኻ ግዳ ንገረና፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ከምዝን ከምዝን ተዛረበኒ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ፡ በለኒ። ሽዑ ተቓላጢፎም ነፍሲ ወከፍ ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ፡ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ የሁ ነገሰ፡ በሉ። የሁ፡ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ፡ ከኣ ንዮራም ተማሓሐለሉ። ብምኽንያት ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ዮራም፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ራሞትጊልዓድ ኰይኖም ይሕልው ነበሩ። ንጉስ ዮራም ግና እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመሊሱ ነበረ። የሁ ኸኣ፡ ፍቓስኩም እንተ ዀይኑስ፡ ከይደ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ሀዲሙ ኣይውጻእ፡ በለ። ዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላ ድዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ። ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርኢ ወሪዱ ነበረ። እቲ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዔኛ ኸኣ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ርእዩ፡ ኣነ ጭፍራ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። ዮራም ድማ፡ ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኹም፡ ኢሉ ኺቃባበሎም ስደዶ፡ በለ። ሓደ ኸኣ ፈረስ ተወጢሑ ኺቃባበሎ ኸይዱ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ክሳዕ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን፡ ኢሉ ነገረ። ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኦም መጺኡ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱኻ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ክሳዕ ናብኦም በጽሔ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ከም ዕብድ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣኻይድኡስ ከም ኣኻይዳ የሁ ወዲ ኒምሺ እዩ፡ ኢሉ ነገረ። ሽዑ ዮራም፡ ጽዐኑ፡ በለ። ሰረገላ ድማ ጸዐኑሉ። ዮራም ንጉስ እስራኤል ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሰረገለኡ ደየበ፡ ንዮሁ ኺቃባበልዎ ድማ ወጹ፡ ኣብ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ኸኣ ረኸብዎ። ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ የሁ፡ ደሓን ዲኻ በለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ በለ። ዮራም ድማ ኢዱ መሊሱ ሀደመ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ ኣታ ኣሓዝያ፡ ጠቢሩና እዩ፡ በሎ። የሁ ግና ቀስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ መንጎ መናኲቡ ወግኦ፡ እቲ ፍላጻ ድማ ብልቡ ወጸ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ተቘልዐጸ። የሁ ንቢድቃር ሓለቓኡ፡ ኣልዒልካ ኣብ ክፍሊ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ደርብዮ፡ እቲ ኣነን ንስኻን ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከሎና፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዘንበረሉ ዘክር፡ ነቲ ደም ናቦትን ደም ደቁን ብርግጽ ትማሊ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ወሲድካስ ኣብታ ግራት ደርብዮ፡ በሎ። ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣትኽልቲ ኣቢሉ ሀደመ። የሁ ግና ደድሕሪኡ ስዒቡ፡ ንእኡውን ኣብ ሰረገላ ኸሎ ውግእዎ፡ በሎም። ኣብታ ጥቓ ዪብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከኣ ወግእዎ። ናብ መጊዶ ሀዲሙ ድማ ኣብኣ ሞተ። እቶም ገላውኡ ኸኣ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። ኣሓዝያ ኸኣ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔት፡ ኣዒንታ ተዂሒላ፡ ርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት። የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡ፡ ደሓን ዲኻ በለቶ። ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ ምሳይ መን ኣሎ መን በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ። ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋ፡ በለ። ኣጽደፍዋ እሞ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ። ረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈ። ምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን ፡በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርኣይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋ፡ በለ። ኪቐብርዋ ኸኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን። ተመሊሶም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ። ተመሊሶም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ። ኣከኣብ ከኣ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበረዎ። የሁ ድማ ናብ ሰማርያ፡ ናብ ሓላቑ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከኣብን ከምዚ ዚብል ደብዳበ ጽሒፉ ሰደደ፡ ሕጂ ኸኣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ በጽሓትኩም፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ከለው ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዐርደ ኸተማን ኣጽዋርን ደማ ምሳኻትኩም ከሎስ፡ ካብቶም ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝጸበቐን ዝሔሸን ርኢኹም ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ስለ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ። ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ዘይቈሙስ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም በሉ። እቲ ኣዛዝ ቤትን እቲ ኣዛዝ እታ ኸተማን እቶም ዓበይቲን እቶም መዕበይቲ ደቅን ናብ የሁ፡ ንሕና ገላውኻ ኢና፡ ዝበልካና ዘበለ ዂሉ ንገብር፡ ባህ ዜብለካ ደኣ ግበር እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፡ ኢሎም ለኣኹ። ሽዑ ኻልእ ሳዕ፡ ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፡ ቃለይ ድማ እንተ ሰሚዕኩምሲ፡ ኣርእስ እቶም ሰባት ደቂ ጐይታኹም ውሰዱ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ይዝርኤል ናባይ ምጹ፡ ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈሎም። እቶም ደቂ ንጉስ ድማ ሰብዓ ሰብ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነብሩ። ኰነ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ሒዞም ሐረድዎም፡ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ናብኡ ሰደድዎ። ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ፡ ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ ጽባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዂምራ ግበርዎ፡ በለ። ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ወጸ፡ ደው ኢሉ ድማ ነቲ ዂሉ ህዝቢ፡ ንስኻትኩምሲ ጻድቃን ኢኺም፡ እንሆ፡ ንጐይታይ እተማሓሐልኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፡ ነዚኣቶም ኲሎምስ መን ቀተሎም እምበኣርሲ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ገለ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወደቕ ፍለጡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገበሮ፡ በለ። የሁ ኸኣ ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተረፎም ንዝነበሩ ዂሎምን ንብዘለው ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም። ድሕርዚ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ድማ መጸ። ኣብታ ኣብ መገዲ ዘላ ቤት መኣከቢ ጓሶት ምስ በጽሔ፡ የሁ ነሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ፡ ንስኻትኩም እንመን ኢኹም በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ኢና፡ ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣሎና፡ በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰብ ከኣ ብህይወት ሒዞም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት ኣከኣብ ጓሶት ዘሎ ዔላ ሐረድዎም፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኪቃባበሎ ኸሎ ረኸቦ፡ ሰላም ኢልዎ ድማ፡ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ፡ ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ በሎ። ዮናዳብ ከኣ፡ ከምኡ እዩ፡ በለ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሀበኒ፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሀቦ። ናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ። ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርኤ፡ ድማ በለ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ። ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንኤልያስ እተዛረቦ፡ ካብ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዂሎም ክሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም። የሁ ድማ ንብዘለው ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልገሎ፡ የሁ ግና ኣብዚሑ ኼገልግሎ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ንበዓል ብዙሕ ዝስውእ ኣሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓል፡ ኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣየጒደል፡ ዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ። የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ፡ በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ። የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለኣኸ፡ ኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹ፡ ከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በዓል ድማ ኣተው፡ ቤት ብዓል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልኤት። ነቲ ሓላው ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም። ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል፡ ብጀካ እቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርኣዩ፡ በሎም። መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኪስውእ ኸኣ ኣተወ። የሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐሚጡ፡ ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲኣ ነፍሱ ኽትሐልፍ እያ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን፡ እተው፡ ቅተልዎም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእ፡ በሎም። ብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ። ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከኣ ኣውጺኦም ኣንደድዎ። ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፡ ነቲ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ ዓይኒ ምድሪ ገይሮምዋ ኣለው። የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ። የሁ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ማለት ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤትኤል ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን። እግዚኣብሄር ድማ ንየሁ፡ ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ፡ ንቤት ኣከኣብውን ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዂሉ ስለ ዝገበርካያ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ በሎ። ግናኸ የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪቚርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ድማ ንእስራኤል ኣብ ኲሉ ዶባቶም ወቕዖም፡ ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ንብዘላ ምድሪ ጊልዓድ፡ ንደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ኣብ ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንጊልዓድን ባሳንን ከኣ ሰዐሮም። እቲ ዝተረፈ ናይ የሁ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ኲሉ መንፍዓቱን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ የሁ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያ ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ። እቲ ዮሁ ኣብ ሰማርያ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ድማ ዕስራን ሾሞንተን ዓመት እዩ። ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍኤት። ግናኸ የሆሸና ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዚያ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ እሞ፡ ንእኡን ንመጒዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብኣቶ፡ ኣይተቐትለን ድማ። ምስኣ ተሐቢኡ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሹድሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ዓታልያ ነጊሳ ነበረት። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ከኣ ዮያዳ ነቶም ናይ ካራውያን ሓላቑ ሚእትታትን ንዘብዔኛታትን ልኢኹ ኣምጽኦም፡ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፡ ምሳታቶም ኪዳን ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሐሎም፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ እቶም ካባኻትኩም ብሰንበት ዚኣትው፡ ሲሶ ሓለዋ ቤት ንጉስ ይሐልው፡ እቶም ሲሶ ድማ ኣብ ደገ ሱር፡ እቶም ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ዘብዔኛታት ዘሎ ደገ ይኹን። ሐለዋ እታ ቤት ሐሊኹም ከኣ ከልክሉ። እቶም ክልተ ኽፍሊ ኻባኻትኩም ድማ፡ እቶም ብሰንበት ዚወጽ ዂሎም፡ ሓለዋ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ንጉስ ይሐልው። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። እቲ ጥሒሱ ኣብ መስርዕ ዚኣቱ ድማ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ ኸኣ፡ ምስኡ ኹኑ። እቶም ሓላቑ ሚእቲ ኸኣ ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሰቦም፡ ነቶም ብሰንበት ዚኣትው ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም ወሰድዎም፡ ናብ ካህን ዮያዳ ድማ መጹ። እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም። እቶም ዘብዔኛታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤት ጀሚሮም ክሳዕ ጸጋማይ መኣዝን ኣታ ቤት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቈሙ። ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ። ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ዘብዔኛታትን ህዝብን ምስ ሰምዔት፡ ናብቲ ህዝቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ነበረ፡ እቶም ሓላቑን እቶም መለኸተኛታትን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሔት። እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዚሰዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ሐዝዋ፡ በታ ኣፍራስ ናብ ቤተ ንጉስ ዚኣትውላ መገዲ ድማ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ። ዮያዳ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ኪዳን ኣቘመ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ከኣ ከምኡ ገበረ። ብዘለው ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ኣዝዮም ሰባበርዎ፡ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሐረድዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ። ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ካራውያንን ንዘብዔኛታትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰደ፡ ነቲ ንጉስ ከኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረድዎ፡ ብመገዲ ደገ ዘብዔኛታት ኣቢሎም ድማ ናብ ቤተ ንጉስ መጹ። ኣብ ዝፋን ነገስታት ከኣ ተቐመጠ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጐሰ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤት። ንዓታልያ ግና ኣብ ቤተ ንጉስ ብሴፍ ቀተልዋ። ዮኣብ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ። ንየሁ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ዮኣብ ነገሰ፡ ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤርሸባዕ እያ። ዮኣብ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኺምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዂሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡን ይዐጥንን ነበረ። ዮኣብ ድማ ነቶም ካህናት፡ ኲሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣቱ እተቐደሰ ገንዘብ፡ ዚተሐላለፍ ገንዘብ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዚህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዂሉ ገንዘብን፡ እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዚፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት፡ ኣብኣ እተረኽበ ዘበለ ዂሉ ፍራሳት ይጸግኑ፡ በሎም። ግናኸ እቶም ካህናት ነቲ ፍራሳት እታ ቤት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ዮኣስ ኣይጸገንዎን። ሽዑ ንጉስ ዮኣስ ንኻህን ዮያዳን ነቶም ካልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እዛ ቤት ዘይጸገንኩምዎ ሕጂ ኸኣ ንመጸገን ፍራሳት እታ ቤት ሀቡ እምበር፡ ደጊምሲ ኸካብቶም እትፈልጥዎም ገንዘብ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፡ ንፍራሳት እታ ቤት ከኣ ከይጽግኑ ሰመሩ። ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣትው ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ደገ ዚሕልው ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ዂሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ግንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናዩ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ፡ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ ኣሰርዎ። እቲ እተመዘነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሀቡ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን፡ ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ። እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን። እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን። ነቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ኺህቡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሀብዎም ሰብ ብእምነት ስለ ዝገበርዎ፡ ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ። እቲ ገንዘብ መስዋእቲ በደልን ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኻህናት ኰነ እምበር፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ኣይኣተወን። ሽዑ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት ተዋጊኡ ሐዛ። ሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዔ። ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ዝቐደስዎ ዂሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ፡ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ወሲዱ፡ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ካብ ዮርሳሌም ተመልሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ንዮኣስ ድማ ገላውኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሐሉሉ፡ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ። እቶም ገላውኡ ኦዛክር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኰይኖም ወቕዕዎ። ሞተ ድማ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ። ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ ዮሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ሰዐበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን። ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሀቦም። ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤል፡ ንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ። እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሀቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ። ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሱን፡ ብእኡ ደኣ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት። እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቚቡቚ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮኣሓዝ፡ ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን፡ ገለ እኳ ኣየትረፈሉን። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፈዓቱን ንሱ ኣብ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ። ንዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኣሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። የሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ እማም ሐመመ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ ኣብቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ በኸየ። ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታትን ወሰደ። ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐል፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሰቐለ። ኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገበረ። ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶ፡ በሎ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውር፡ በሎ። ንሱ ድማ ወርወረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄር፡ ፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ። ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎ። ወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያ፡ በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ። ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ። ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለው፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ። ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም። እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎም፡ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቕን ዝኣተዎ ኺዳን ኢሉ ድማ ገጽ መለሰሎም፡ ኬጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን። ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤንሃዳድ ነገሰ። ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢዱ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ሰለስተ ሳዕ ሰዐሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን። ንዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣማሰያ ወዲ ዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ዮርሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ግዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ ዮርሳሌም እያ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኰነን፡ ከምቲ ኣቦኡ ዮኣስ ዝገበሮ ዂሉ ደኣ ገበረ። ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ነቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላውኡ ቐተሎም። ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ኣብ ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቂ ቐታሎስ ኣይቀተሎምን። ንሱ ንኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንሴላ ኸኣ ብውግእ ሐዛ፡ ስማ ድማ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፡ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ። ሽዑ ኣማስያ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ፡ ንዓ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማሰያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖስ ጓልካ ሀበኒ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፈ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጾ። ንኤዶም ርግጽ ስዒርካ፡ ልብኻ ተዐብዩ ኣሎ፡ ክበር፡ ኣብ ቤትካ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ ኽትወድቁሉስ፡ ስለምንትይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ ኣማስያ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሸመሽ ገጽ ንገጽ ተራኣኣዩ። ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሸመሽ ወሰዶ፡ ናብ ዮሩሳሌም ከኣ መጸ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን ወሰደ፡ ደቂውን ዝሆ ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ። እቲ ዝተረፈ ዮኣስ ዝገበሮ ነገርን መንፍዓቱን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ከኣ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። የሮብዓም ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ የሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሐሉሉ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሀደመ፡ ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰደዱ፡ ኣብኣውን ቀተልዎ፡ ኣብ ኣፍራስ ከኣ ሰቐልዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ተቐብረ። ብዘለው ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኣዛርያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዶም ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ። ንሱ ንኤላት ሰርሓ፡ ድሕሪ ምድቃስ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድማ ናብ ይሁዳ ኣምለሳ። ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝኤ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ከምቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ካብኡ ኣየግለሰን። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋትሔፈር ዝነበረ ባርያኡ ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቓል ነቲ ዶብ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዜእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጐልጐል ኣምለሶ። እዚ እግዚኣብሄር እቲ ጸበባ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፡ እሱር ኰነ ዘይእሱር ድማ ከም እተወድኤ፡ ንእስራኤል ከኣ ረዳኢ ኸም ዜብሉ ስለ ዝረኣየ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ ኢሉ ኣይተዛረበን፡ ስለዚ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣድሐኖም። እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን መንፍዓቱን፡ ድማ ከመይ ከም እተዋግኤ፡ ነተን ናይ ይሁዳ ዀይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ። ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾቦዓተን ዓመቱ ኣዛርያ፡ ወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ፡ ኣብ ፍልይቲ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ዮታም ወዲ ንጉስ ድማ ዋና እታ ቤት ኰይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር ይፈርድ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጺሒፉ ኣየሎን፡ ኣዛርያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ዮታም ወዱ ነገሰ። ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ዘካርያስ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ሹድሽተ ወርሒ ኸኣ ገዝኤ። ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። ሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። እቲ እግዚኣብሄርስ ንየሁ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ዀነ። ንኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ሓንቲ ወርሒ ገዝኤ። ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ ደዪቡ ናብ ሰማርያ መጸ፡ ንሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡውን ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሎም ነገርን እቲ እተማሓሐሎ ማሕላን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒሩ ኣሎ። ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብኣ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብኣ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን። ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ዓሰርተ ዓመት ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ገበረ። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት፡ ኣየግለሰን። ፋል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ሃገር መጸ። ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ኽትጸንዕ ኪድግፎ ኢሉ፡ ንፋል ሽሕ ታለንት ብሩር ሀቦ። ምናሔም ድማ ንንጉስ ኣሶር ምእንቲ ኺህብ፡ ካብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዘበሉ፡ ካብ ንፍሲ ወከፍ ሰብ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ኣውጽኤ። እቲ ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብኣ ኣብታ ሃገርውን ኣይቈመን። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣየሎን ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ። ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ሓላቑኡ፡ ድማ ተማሓሐለለኡ እሞ ንእኡ ምስ ኣርጎብን ኣርየን ገይሩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ኣደራሽ ቤተ ንጉስ ቀተሎ። ምስእ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውያን ሓምሳ ሰብ ነበሩ፡ ንእኡ ቐቲሉ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ኣየግለሰን። ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላትጴሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸ፡ ንዒዮንን ንኣቤልቤትማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላን፡ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሐዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም። ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ተማሓሐለሉ፡ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ፡ ንዮታም ወዲ ኡዝያ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን እስራኤል ተጺሒፉ ኣሎ። ንጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ረማልያ፡ ኣብ ካልኣቲ ዓመቱ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ከምቲ ኣቦኡ ኡዝያ ዝገበሮ ዂሉ ገበረ። ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ ወዲ ረማልያን ንምጽራር ይሁዳ ኺሰዶም ጀመረ። ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ። ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመቱ ኣሃዝ፡ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ኣይነበረን፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ኸደ፡ ኤረ ንሱስ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ገይሩ እኳ ደኣ ወዱ ብሓዊ ኣሕለፈ። ኣብ በረኽቲ ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ሽዑ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ፡ ወዱ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ። ንኣሃዝ ድማ ከበብዎ፡ ኪስዕርዎ ግና ኣይከኣሉን። በታ ጊዜ እቲኣ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፡ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፡ ሶርያውያን ከኣ ናብ ኤላት መጺኦም፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው። ኣሃዝ ከኣ ናብ ቲግላትጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኣነ ጊልያኻን ወድኻን እየ፡ ካብ ኢድ እቶም ተንሲኦምኒ ዘለው ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ከተድሕነኒ ደይብ፡ በሎ። ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሱዱ ንንጉስ ኣሶር ገጸ በረኸት ሰደደሉ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ እቲ ንጉስ ኣሶር ንደማስቆ ደዪቡ ሐዛ፡ ኣብኣ ንዝነበሩ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፡ ንረጺንውን ቀተሎ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንቲግላትጲሌስር ንጉስ ኣሶር ኪቃባበሎ ናብ ደማስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ኸኣ ረኣዮ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዂሉ ስራሑን ገይሩ ንካህን ኡርያ ሰደደሉ። ካህን ኡርያ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዂሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካህን ኡርያ ኸምኡ ገበረ። እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ መሰውኢ ረኣዮ፡ እቲ ንጉስ ናብቲ መሰውኢ ቐረቡ ኸኣ ናብኡ ደየበ። ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ድማ ኣሕረረ፡ ናይ መስተ መስዋእቱውን ኣፍሰሰ፡ ደም እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነጸገ። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ወሲዱ ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ኣቐመጦ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንኻህን ኡርያ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዚሐርር መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርሮ፡ ንዂሉ ደም እቲ ዚሐርር መስዋእቲን ንዂሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ንጸጎ፡ ናይቲ መሰውኢ ኣስራዚ ግና እንታይ ከም ዝገብሮ ሓሳቡ ኣባይ ይኹን፡ ኢሉ ኣዘዞ። ካህን ኡርያ ድማ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንወሰናት እቲ መቐመጢታት ሰባቢሩ፡ ነቲ ገበራ ኻብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፡ ነቲ ባሕሪውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ኣስራዚ ኣውሪዱ፡ እምኒ ኣብ እተነጽፎ ምድሪቤት ኣንበሮ። ነታ ኣብታ ቤት ሰሪሖምዋ ዝነበሩ እተኸድነት መገዲ ሰንበትን ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተው ንጉስን ከኣ ብምኽኒያት ንጉስ ኣሶር ናብ ቤት እግዚኣብሄር መለሶ። እቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣሃዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ። ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ሆሴእ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ገበረ፡ ግናኸ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤልስ ኣይኰነን። ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ንምጽራሩ ደየበ፡ ሆሴእ ከኣ ግዙኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ። እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ኣብ ሆሴእ ዕልወት ረኸበ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ከምቲ ዓመት ንዓመት ዚገብሮ ዝነበረ፡ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኣይሰደደሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣሲሩ ኣብ ቤት እሱራት ዐጸዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ናብ ብዘላ እታ ሃገር ደየበ፡ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸኣ ለሰስተ ዓመት ከበባ። ንሆሴእ ኣብ ታስዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሐዛ፡ ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ጥቓ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቲ ኻብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዝፈርሁ እዩ ኸምኡ ዝዀነ። ንሳቶም ብሕጋጋት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታትን በቲ ነገስታት እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩን ከዱ። እወ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኲለን ከተማታቶም ድማ በረኽቲ ሰርሑ። ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ከኣ ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ኣቘሙ። ኣብኡ ድማ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ህዝብታት ኣብ ኲሉ በረኽቲ ይዐጥኑ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ድማ ክፋእ ገበሩ። ነቶም እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትግብርዎ ዝበሎም፡ ነቶም ጣኦታት ኣገልገልዎም። እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዂሎም ነብያትን ብዂሎም ረኣይትን ገይሩ፡ ካብ ክፋእ መገድኹም ተመለሱ፡ ከምቲ ነቦትትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ብባሮተይ ነብያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩልኩም ኲሉ ሕጊ ትእዛዛተይን ሕጋጋተን ሐልው፡ ኢሉ መስኪሩሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ከም ክሳድ እቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ፡ ንሕጋጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝመሰከረሎም ምስክራትን ነዐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ስዒቦም ከኣ ከንቱ ዀኑ፡ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከማታቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ሰዐቡ። ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሐዲጎም ከኣ ዝፈሰሰ ምስልታት፡ ክልተ ምራኹት ገበሩ፡ ኣስታርተውን ገበሩ፡ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፡ ንበዓልውን ኣገልገልዎ። ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ኬዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ብእስራኤል ኣዝዩ ዀረየ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሐቖም። ብጀካ ነገድ ይሁዳ በይና ኻልእ ኣይተረፈን። ይሁዳ ኸኣ በቲ እስራኤል ዝገበርዎ ሕጋጋት ከደ እምበር፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሐለውዎን። እግዚኣብሄር ድማ ንብዘሎ ዘርኢ እስራኤል ንዒቑ ኣዋረዶም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ከኣ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሀቦም። ንሱ ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ፈልይዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፡ የሮብዓም ከኣ ንእስራኤል ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣርሐቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣሕጥኦም። እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሩኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን። እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሩኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን። እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ሰፋርዋዪምን ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸኣ ወረስዋ፡ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ። ኰነ ድማ፡ እቲ መጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣናብስ ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ገለ ኻባታቶም ቀተሉ። ነቲ ንጉስ ኣሶር፡ እቶም ኣጒዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገርስ ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣናብስ ሰደደሎም፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ኸኣ፡ እነው፡ ይቐትልዎም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር፡ ካብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ሰደዱ፡ ከይዶም ድም ኣብኡ ይቀመጡ እሞ፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሀሮም፡ ኢሉ ኣዘዘ፡ ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መጺኡ ኸኣ ኣብ ቤትኤል ተቐመጠ፡ ንሱ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዚፈርህዎ መሀሮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣማልኽቱ ገይሩ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ኣንበሮም። እቶም ሰብ ባቢሎን ከኣ ሱኮትቤኖት ገበሩ፡ እቶም ሰብ ኩት ድማ ኔርጋል ገበሩ፡ ሰብ ሓማት ከኣ ኣሺማ ገበሩ፡ እቶም ዓዋውያን ድማ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ፡ እቶም ሰፋርዋውያን ከኣ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርህዎ ነበሩ፡ ካብ ማእከሎም ከኣ ዝዀነ ሰብ ካህናት በረኽቲ ገበሩ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ኣባይቲ በረኽቲ ይስወኡሎም ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ይፍረህዎ ነበሩ፡ ግናኸ፡ ከም ስርዓት እቶም ካብኡ ዝሰደድዎም ህዝብታት፡ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ። ክሳዕ ሎሚ ኸም ስርዓት ቀደም ይገብሩ ኣለው፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ከም ሕጋጋቶምን ከም ፍርድታቶምን ወይ ከምቲ እግዚኣብሄርስ ንደቂ ያእቆብ፡ ንእኡ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ፡ ዝኣዘዞም ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኣይገበሩን። እግዚኣብሄር ድማ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎምን ኣይትስገዱሎምን ኣይተገልግልዎምን ኣይትሰውኡሎምን። ነቲ ብዓብዪ ሓያልን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ደኣ ፍርህዎ፡ ንእኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንእኡ ኸኣ ሰውኡሉ። ነቲ ዝጸሐፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቱኹም ኬድሕነኩም እዩ። ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደኣ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን። ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ የገልግልዎን ነበሩ። እቶም ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለው። ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ንሱ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ። ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዐጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሎ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን። ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛትውን ሐለወ። እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዐለወ እሞ ኣይተገዝኣሉን። ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ ዕርድቲ ኸተማ፡ ክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዐሮም። ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፡ ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ። ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከኣ ሐዝዋ፡ ንህዝቅያስ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመቱ፡ ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት። እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሐላሕን ኣብ ሐቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም። እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚብሄር ዝኣዘዞ ዂሉ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ። ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን። ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ። ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ። በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ። እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳሪስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጻቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ። ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሐፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ። ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ተኣሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ እዚ ተኣሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን ኣሎኒ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣን ኲሉ ዚኣቱ፡ ብእኡ ተኣሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚና ኣሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ሕጂ ድማ ንጐይታይ ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላው ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፡ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን ኣሎኻ። ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢሉ ደዪበ እግዚብሄር ደኣ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለኣኸኒ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለው እሞ፡ ምሳኻትኩም ኰይኖም ሓርኦም ኪበልዑ ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን በሎም። ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም፡ ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም። ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ማይ ዔላኡ ይስተ። ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ ኣሎ ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው ኣማልኽቲ ሰፈርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ ኣለው ንሰማርያዶ ኻብ ኢድይ ኣድሒኖምዋ እዮም እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዙዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክደውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ። ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። ንኤልያቂም ኣዛዝ ቤትን ንሻብና እቲ ጸሓፍን ካብ ካህናትውን ዓበይቲ ገይሩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ሰደዶም። ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ቅጽዓትን ነውርን እያ፡ ሕጻናት ናብ ምውላድ በጺሖም ነይሮም፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳእነ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዂሉ ዘረባ ራብሳቀ፡ እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ከጸርፎ ኢሉ ዝለኣኾ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዖ ዘረባ ኪቐጽዖ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ እዚ ገና ተሪፉ ዘሎ ትርፎፍያ ጸሎት ኣዕርግ። እቶም ገላው ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ። ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በቲ ገላው ንጉስ ኣሶር ኪጸርፋኒ ዝሰማዕካዮም ቃላት ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክህቦ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩ ድማ ብሴፍ ከውድቖ እየ። ራብሳቀ ኸኣ ተመልሰ፡ ንሱ እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ። ንሱ ግና ብዛዕባ ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ኪወግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ኪብሉ ምስ ሰምዔ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፡ እዚ ንስኻ እትእመኖ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌምስ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ኣየዐሹኻ። እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን፡ እንሆ፡ ሰሚዕካዮ ኣሎኻ፡ ንስኻኸ ትድሕንዶ እቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፡ ንጐዛንን ንሓራንን ንሬጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔደንን ኣድሐንዎምዶ ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፋር ዋዪምን ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ድማ ኣበይ ኣለው ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት ኣግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስማዓዮ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ እተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንሳኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ኣዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና። ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። እቲ እግዚብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ነዐቐትካን ኣባጨወትካን፡ እታ ጓል የሩሳሌም ድሕሬኻ ዀይና ርእሳ ነቕነቐትልካ። ዝጸረፍካዮን ዘላገጽካሉን ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካ፡ ኣዒንትኻውን ቋሕ ዘበልካሉ፡ ናብ መን ኢኻ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ። ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡ ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱሩ ድማ ኣቶኹ። ኣነ ዂዒተ ጋሻ ማያት ሰቴኹ፡ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ኣንቀጽክዎ። ነዚ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝገበርክዎ፡ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ከም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕካን ኢካ ሕጂ ንዕሩዳት ከተማታት ኲምራ ዑናታት ጌርካ ኸተባድመን ኣምጻእኩኻ። ስለዚ እቶም ዚነብርወን ሓይሊ ሰኣኑ፡ ተሸበሩን ሐፈሩን። ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልምሉም ሓምልን ከም ድርቋ ናሕስን ከይሰወተ ኸም ዝሀጐጐ እኽልን ኰነ። ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን፡ ንኣይ ምዂራይካውን እፈልጥ ኣሎኹ። ስለ ዝዀሬኻለይ፡ ትዕቢትካውን ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝደየበ፡ ስንቀይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብረልካ እየ፡ በታ ዝመጸእካላ መገዲ ድማ ክመልሰካ እየ። ንኣኻ ግና እዚ ምልክት ይኹንካ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡ ብኻልኣይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዐጽዱን፡ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሬኡ ኽትበልዑ ኢኹም። እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ድሒኖም ዝተረፉ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ኪሰዱ ኣብ ላዕሊ ኸኣ ኪፈርዩ እዮም። ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሐነ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ነዚ ኸኣ ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪገብሮ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን። በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ኬድሕናን እየ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኲላቶም ምውታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ። ሽዑ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ተንስኡ ኸደ፡ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ። ኰነ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጸርን ብሴፍ ቀተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሀደሙ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳርሓዶን ነገሰ። በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ትመውት እምበር፡ ኣይትሐውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር። ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ። ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ። ኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡ ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ብክያትካ ርእየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ። ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበሩሉ እሞ፡ ሐወየ። ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንትይ እዩ በሎ። ኢሳይያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነቲ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዚፍጽሞ፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፡ እዚ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይስ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ በለ። ህዝቅያስ ከኣ፡ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚት ምኻድሲ ቐሊል እዩ፡ ኣይፋል፡ እቲ ጽላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፡ በለ። ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ነቲ ጽላሎት ከኣ ኣብ ሰዓት ኣሃዝ፡ በቲ ዝወረደሉ ኣቢሉ ዓሰርተ ስጒሚ ንድሕሪት መለሶ። በቲ ጊዜ እቲ በሮዳክባላዳን ወዲ ባላዳን፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ከም ዝሐመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንህዝቅያስ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ። ህዝቅያስ ከኣ ሰምዖም፡ ብዘላ ቤት ናይቲ ኽቡር ኣቓሑኡ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ጽቡቕ ዘይትን ኲሉ ቤት ኣቓሑኡን ኣብ መዛግብቱ እተረኽበ ዂሉን ድማ ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ብዘላ ግዝኣቱ ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን። ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኢሎምኻ ካበይከ መጺኦምኻ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ዝመጹ እዮም፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ በለ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮምዎ፡ ኣብ መዛግብተይ ዘየርኤኽዎም ነገር የልቦን፡ በለ። ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ በሎ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እዚ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉን፡ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደሉ፡ እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተርፍን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ደቅኻ ድማ፡ ካብቶም ካባኻ ዝወጹ፡ ካብቶም ዝወለድካዮም፡ ኪወስዱ እዮም፡ ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ስሉባት ኪዀኑ እዮም። ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እዚ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ ከምኡ ደይኰነን፡ ብዘመነይሲ ሰላምን ህድኣትን ደኣ እንተ ዚህሉ፡ በለ። እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ኲሉ ጅግንነቱን፡ ሓጽቡን መስኖን ከም ዝገበረን፡ ናብ ከተማ ኸኣ ማይ ከም ዘእተወ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለው ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ። ንብዘለው ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም። ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ። ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊት ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ፡ ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝኣዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሀብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም። ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን፡ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእ ስለ ዝገበረን፡ ንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዚብሎ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ክፋእ ነገር ከምጽእ እየ። እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ፡ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም እትደፍኦ፡ ንየሩሳሌም ድማ ክሐጽባ እየ። ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ኪዀኑ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፋእ ሰል ዝገበሩን፡ ካብቲ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘዀረዩንን እዩ። ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ንምግባር ዘሕጥኤ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዚመልእ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ። ኣሞን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጥባ እያ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሐደጎ፡ ብመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን። ገላው ኣሞን ድማ ተማሓሐሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሐሉሉ ዂሎም ቀተሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ። እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ። ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳያ ብዓል ቦጽቃት እያ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ንየማን ኰነ ነጸጋም ኣየግለሰን። ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጸልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለኣኾ፡ ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይቡ እሞ ነቲ እቶም ሐለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ ገንዘብ ኪእክቦ ኣዝዞ። ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣቤር ድማ ኣብ ኢዶም ይሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ኪጽግኑ ዚዐዩ ዓየይቲ፡ ንጸረብትን ንሀነጽትን ንነደቕትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዚኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዚዕደገሉ ገንዘብ ይሀብዎም። ግናኸ ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም። ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጻሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ፡ በሎ። ሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ። ሻፋን እቲ ጸሐፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቶም ገላውኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሀብዎም፡ ኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ። ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒ፡ ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ። ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን፡ ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጸሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰዐብዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሉም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ። ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኽኩም ሰብኣይ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለውን እቲ ኽፋእ ከምጽኦ እየ። ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ፡ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዐጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ኪቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ። ነቲ እግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እታ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ኪዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፋእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም። እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሎም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኣስምዖም። እቲ ንጉስ ድማ ኣብቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸዱን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕልውን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኸኣ ኬቚሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ኣብቲ ኺዳን ቈመ። እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ኻህናት ሒልቂያን ነቶም ብትሕቲኡ ዘለው ኻህናትን ነቶም ሐለውቲ ደገ ነቲ ንበዓልን ንኣስታርተን ንብዘለአው ስራዊት ሰማይን ኪኸውን እተሰርሔ ዂሉ ኣቓሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ኬውጽእዎ ኣዘዞም፡ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኣብ ግርሁ ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፡ ነቲ ሓመዂስቱውን ናብ ቤትኤል ወሰዶ። ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኺዐጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ዚዐጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዐሮም። ንኣስታርተ ኸኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ናብ ርባ ቄድሮን ኣውጺኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዳ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ደበቚቦቛ ገበራ፡ ነቲ ደበቚቦቛ ድማ ኣብቲ መቓብር ደቂ እቲ ህዝቢ ጐሐፎ። ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ኣመናዝር፡ ኣንስቲ ኣብኤን ኰይነን ንኣስታርተ ዚኸውን መጋረጃ ዚኣልማ ዝነበራ ኸኣ ኣፍረሰ። ንዂሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፡ ነቲ እቶም ካህናት ዚዐጥኑሉ ዚነበሩ በረኽቲ ኸኣ ካብ ጌባዕ ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤርሸባዕ ኣርከሶ፡ ነቲ ኣብ ደጌታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እያሱ መስፍን እታ ኸተማ ዝነበረ፡ ነቲ ብጸጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሶ። እቶም ናይ በረኽቲ ኻህናት ግና፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ኰይኖም ደኣ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፡ ናብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ኣይድይቡን ነበሩ። ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ኢሉ ብሓዊ ኸየሕልፍሲ፡ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሂኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ። እቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም፡ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቀጽሪ መቕደስ ኣብታ ነታንሜሌክ፡ እቲ ስሉብ ዚነብረላ ዝነበረ ኣፍራስ ኣግለሶም። ነቲ ሰረገላታት ጸሓይውን ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ኣብ ናሕሲ ኣደራሽ ኣሃዝ ዝነበረ፡ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝገበርዎ፡ መሰውኢታትን፡ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ከኣ እቲ ንጉስ ኣፍረሶ። ካብኡ ቐልጢፉ ኸይዱ ድማ ነቲ ደበቚቦቛኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ጐሐፎ። ነቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ የማን ከረን ጥፍኣት ዝነበረ በረኽቲ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታርተ ጽያፍ ሲዶናውያንን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን ንሚልኮም ጽያፍ ደቂ ዓሞንን ዝሰርሓሎም፡ እቲ ንጉስ ኣርከሶ። ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈረጾ፡ ነቲ ቦታታቶም ከኣ ኣዕጽምቲ ሰብ መልኦ። ድማ ነቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበረ መሰውእን ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንእስራኤል ዘሕጥኤ፡ ዝሰርሖ በሪኽን፡ ነቲ መሰውኢ እትን ነቲ በሪኽን ኣፍረሶ፡ ነቲ በሪኽ ከኣ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ድማ ደበቚቦቛ ገበሮ፡ ንኣስታርተውን ኣንደዶ። ዮስያስ ግልጽ ምስ በለ ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ኣብ ከረን ዝነበረ መቓብራት ረኣየ። ሽዑ ልኡኹ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኺነግር ከሎ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩ በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤትኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕደግዎ፡ ገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓነቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ። ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ። እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለው ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዚፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን። እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ። ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣንደዶ። ከምቲ ዂሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን። ግናኸ ብምኽንያት እቲ ምናሴ ብእኡ ዘዀረዮ ዂሉ መዀረዪ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ንደት ዓብዪ፡ ዂራኡ ኣይተመልሰን። እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ንእስራኤል ዘግለስክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድሚ ገጸይ ከግልሶ እየ፡ ነዛ ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ነዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልክዋ ቤትን ከኣ ክድርብየን እየ፡ በለ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ብዘመን ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ናብ ንጉስ ሶርያ ናብ ርባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ዮስያስ ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ንሱ ኸኣ ምስ ረኣዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ። ገላውኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ። ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። ፈርኦን ኔኮ ድማ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣሶኡ ዮስያስ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ። ንዮኣሓዝ ግና ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ መጸ፡ ኣብኣ ድማ ሞተ። ዮያቂም ከኣ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሀቦ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ገንዘብ ምእንቲ ኺህብሲ ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ከም ስልዕቱ ኣኽፈሎ። ዮያቂም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዘቡዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ጴዳያ ብዓል ሩማ እያ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። ብዘመኑ ነብካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ። እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኼጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም። እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን። እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ። ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን። ዮያኪም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። በቲ ጊዜ እቲ ገላው ነብካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት። እቶም ገላውኡ ኸቢቦምዎ ኸለው ኸኣ፡ ነብካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ። ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሐዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግቢቲ ቤተ ንጉስን ኣውጽኤ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ። ንብዘላ የሩሳሌም ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑን፡ ዓሰርተ ሽሕ ምሪኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እኳ ኣይተረፈን። ንዮያኪን ድማ ናብ ባቡኪብ ናረኾ፡ ነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዚዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዚበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም። እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ። ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ ወኪ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። እዚ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጽ ኽሳዕ ዚድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ። ኰነ ድማ፡ ብታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኲሉ ሰራዊቱ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ። ብዙርያኣ ኸኣ ዕርዲ ነደቑላ። እታ ኸተማ ድማ ንጼዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ብመካበቢያ ተዐጽወት። ካብታ ራብዓይቲ ወርሒ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ እንጌራ ኣይነበሮምን። ሽዑ ነታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረሱላ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለው ድማ፡ እቲ ንጉስ ብመገዲ ጐልጐል ከደ። ኲሎም ሰብ ውግእ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ መካበብያ ዘሎ ደገ፡ ብመገዲ እቲ ደገ ገይሮም ሀደሙ። እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ሰዒቦም ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ብዘለው ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ። ሽዑ ነቲ ንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፡ ፍርዲ ኸኣ ፍረድዎ። ደቂ ጼዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረድዎም፡ ንጼዴቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣዖርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። በታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመቱ፡ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡ ንቤት እግዚኣብሄር ንቤት ንጉስን ንዂለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ተኰሰ፡ ንዂለን ዓበይቲ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተኰሰ። ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ብዘሎ ስረዊት ከለዳውያን ንመካበብያታት የሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረሶ። ነቡዛራዳን፡ እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ተረፍ እቲ ህዝብን ነቶም ሀዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን እተጸግዑን ካብቲ ብዙሕ ህዝብ ዝተረፉን ማረኽዎም። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ድኻታት እታ ሃገር ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዐዩን መሬት ኪሐርሱን ኢሉ ሐደጎም። እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዚን ነቲ መቐመጢታትን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ነቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ንድስትታትን መጽሓርያታትን ካራታትን ጽዋኣትን ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንጽንሃታትን ንጭሔሎታትን ናይ ወርቂ ኸም ወርቂ፡ ናይ ብሩር ከም ብሩር ገይሩ ወሰዶ። እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ሓደ ባሕርን መቐመጢታትን ናይ እዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ ድማ ሚዛን ኣይነበሮን። ቊመት እቲ ሓደ ዓንዲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ነበሮ፡ ቊመት እቲ ጒልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፡ ነቲ ጒልላት ከኣ ብዙርያኡ ዓይነ ርግብን ሮማንን ነበሮ፡ እዚ ዂሉ ኻብ ኣስራዚ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓንዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንስለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም። ካብቲ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዝ ሰብ ውግእ ዝነበሩ ስሉብን ካብቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብታ ኸተማ እተረኽቡን ነቲ ጸሓፊ፡ እቲ ንህዝቢ እታሃገር ንወትሃደርነት ዚጽሕፍ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ካብቶም ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ስሳ ሰባት ወሰደ። ነዚ ኣቶም ከኣ ንቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም። እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ። ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘትረፎ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፈ ህዝቢ ንኣታቶም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም፡ ወዲ ሻፋን፡ ሸመሎም። ኲሎም ሓላቑ ሰራዊታት፡ ንሳቶም ሰቦምን፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን ይኣዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶምን ሰቦምን ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። ንዳልያ ድማ፡ ካብ ገላው ከለዳውያን ኣይትፍርሁ፡ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ እሞ ጽቡቕ ነገር ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ንኣታቶምን ንሰቦምን መሐለሎም። በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ግና ዀነ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ነታንወያ፡ ወዲ ኤሊሻማ፡ ዓሰርተ ሰብ ድማ ምስኡ መጺኦም ንገዳልያ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነብሩ ኣይሁድን ከለዳውያንን ከኣ ቀተልዎም። እቶም ህዝቢ ብዘለው ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ። ኰነ ኸኣ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ፡ ኤዊልመሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ። ምስኡ ኸኣ ጥዑም ተዛረበ፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋውንቲ እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። ነቲ ኽዳን ቤት ማዝእሰርቱውን ለወጠሉ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኸኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። ነንመዓልቲ ዚቕለቦ ቐለብ ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ወርትግ ካብ ንጉስ ተዋህቦ። ኣዳም፡ ሴት፡ ኤኖሽ። ቀይናን፡ ማሃላልኤል፡ ያሬድ። ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ። ኖህ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌትውን። ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን። ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን። ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን። ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን። ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን። ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ። ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን፡ ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ። ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን፡ ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን፡ ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን፡ ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን። ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደ፡ ሻላሕውን ንዔበር ወለደ። ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ፡ ስም እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለት፡ ፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ። ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን፡ ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን፡ ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። ሴም፡ ኣርፋክሳድ፡ ሻላሕ፡ ዔበር፡ ፋሌግ፡ ራጉ፡ ሰሩግ፡ ናሆር፡ ታራ፡ ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ። ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን እስራኤልን። ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡ የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። ደቂ ቄጡራ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን። ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም። ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደ። ደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን። ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን። ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን። ደቂ ረጉኤል፡ ናሓት፡ ዜራሕ፡ ሻማ፡ ሚዛ ድማ። ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን። ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምን፡ ሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ። ደቂ ሾብል፡ ዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያንዓናን። ደቂ ዓና፡ ዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም። ደቂ ኤጸር፡ ቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን። እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖር፡ ስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ። ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ። ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ። ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ። ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ። ሳምላ ድማ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓልሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ። በዓልሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤል፡ ጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜዛሃብ እያ። ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያ፡ ሹምየቴት፡ ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ቴማን፡ ሹምጲኖን፡ ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡ ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ። ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ። ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ። ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ። እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም። ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ። ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ። ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ። እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡ ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡ ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ። ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም። ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ። ካልብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን። ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ። ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ። ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ። ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ። ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ። ሔጽሮን ኣብ ካሌብኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ። ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም። የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ። ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም። ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም። ስም ሰበይቲ ናዳብን ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ። ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ። ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ። ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም። ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ። ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ። ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ። ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ። ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ። ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ። ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን። ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን። ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ። ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤትጹር እዩ። ን ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ። ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም። ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት። ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ። ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም፡ ሳልማ ኣቦ ቤትልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤትጋደር። ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት። ዓሌታት ቂርያትየዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ። ደቂ ሳልማ፡ ቤትልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮትቤትዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም። እቶም ኣብ ያዕቤድ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም። እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖን፡ ካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት፡ ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካ፡ ጓል ታልማይ ንጉስ ገሹር፡ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፡ ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣል፡ ሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ። ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉ፡ ሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ኣርባዕቲኦም ካብ ባትሸዓ፡ ጓል ዓሚኤል። ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን፡ ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን፡ ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን፡ ትሽዓተ። እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ። ወዲ ሰሎሞን ከኣ ሮብዓም እዩ፡ ኣብያ ወዱ፡ ኣሳ ወዱ፡ ዮሳፋጥ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ኣሓዝያ ወዱ፡ ዮኣስ ወዱ፡ ኣማስያ ወዱ፡ ኣዛርያ ወዱ፡ ዮታም ወዱ፡ ኣሃዝ ወዱ፡ ህዝቅያስ ወዱ፡ ምናሴ ወዱ፡ ኣሞን ወዱ፡ ዮስያስ ወዱ፡ ደቂ ዮስያስ ድማ፡ እቲ በዂሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡ ራብዓይ ሻሉም። ደቂ ዮያቂም ከኣ፡ የኮንያ ወዱ፡ ጼዴቅያስ ወዱ። ደቂ የኮንያ እቲ እሱር ድማ፡ ወዱ ሰኣልቲኤልን፡ ማልኪራምን ፈዳያን ሸናጸርን የቃምያን ሖሻማዕን ነዳብያን። ደቂ ፈዳያ ኸኣ፡ ዘሩባቤልን ሺምዒን። ደቂ ዘሩባቤል ድማ፡ መሸላምን ሓናንያ ሽሎሚት ሓብቶምን፡ ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብሔሰድን፡ ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ሓናንያ ኸአ፡ ጶላጥያን የሻዕያን፡ ደቂ ረፋያ፡ ደቂ ኣርናን፡ ደቂ ዖባድያ፡ ደቂ ሽካንያ። ደቂ ሽካንያ ድማ፡ ሸማዕያ። ደቂ ሸማዕያውን፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ሹድሽተ። ደቂ ነዓርያ ኸኣ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝራቃምን፡ ሰለስተ። ደቂ ኤልዮዔናይ ድማ፡ ሆዳይዋን ኤልያሺብን ፈላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሾብዓተ። ደቂ ይሁዳ፡ ፌሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን። ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም። ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማን፡ ስም ሓብቶም ከኣ ሀጽለልጶኒ እዩ፡ ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤትልሄም፡ እዮም። ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ። ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም። ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን። ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ። ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ። ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ። ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ። ኤሽቶን ከኣ ንቤትራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔርናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም። ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት። መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ። ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን። ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን። ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት። እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም። ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም። ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤንዞሔትን። ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን፡ ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዚግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን፡ ያሹቢለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ። እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ። ደቂ ስምኦን፡ ነሙኤል፡ ያሚን ከኣ፡ ያሪብ፡ ዜራሕ፡ ሻኡል፡ ሻሉም ወዲ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ። ደቂ ሚሽማዕውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ። ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን። ንሳቶም ኣብ ብኤርሸባዕን ሞላዳን ሓጻርሹዕልን፡ ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን፡ ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡ ኣብ ቤትማርካቦትን ኣብ ሓጸርሱሲምን ኣብ ቤትብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዚነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ። ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡ ሓሙሽተ ኸተማ፡ እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዚነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም። መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን፡ ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን፡ ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን፡ ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ። እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዐዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ። ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዜእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ። መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዚቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት። እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዚኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ። ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱ፡ ሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም። ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው። ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል ድማ፡ እቲ በዂሪ ንሱ ነበረ፡ መንጸፍ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡ እታ ብዂርናኡ ንነቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበት፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ወለዶስ ከም በዂሪ ኣይተጻሕፈን። ይሁዳ ደኣ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ሰልጠነ፡ እቲ መስፍን ከኣ ካብኡ መጸ፡ ብዂርና ግና ናይ ዮሴፍ ነበረ። ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን። ደቂ ዮኤል፡ ሸማዕያ ወዱ፡ ጎግ ወዱ፡ ሺማዒ ወዳ ሚካ ወዱ፡ ረኣያ ወዱ፡ ባዓል ወዱ፡ ብኤራ ወዱ፡ እቲ ቲልጋትጲልንኤሰርር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፡ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ። ኣሕዋቱ ድማ በብዓሌታቶም ወለዶታቶም ምስ ተጻሕፈ፡ የዒኤል እቲ ሓለቓን ዘካርያስን፡ ድማ ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ፡ ወዲ ሸማዕ፡ ወዲ ዮኤል፡ ንሱ ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ኔቦን በዓልመዖንን ተቐመጠ። መጓሴታቶም ኣብ ሃገር ጊልዓድ በዚሔን ነበራ እሞ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ካብ ርባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዜእቱ ይቕመጥ ነበረ። ብዘመን ሳኦል ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ ኣብ ኢዶም ድማ ወደቑ፡ ኣብ ብዘሎ ምብራቕ ጊልዓድ ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ። ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልኮ ተቐመጡ፡ ዮኤል ሓለቓ፡ ሻፋም ከኣ ካልኣይ፡ ያዕናያን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን። ኣሕዋቶም ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሚካኤልን መሹላምን ሸባዕን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርን፡ ሾብዓተ እዮም። እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይል፡ ወዲ ሑሪ፡ ወዲ ያሮዓሕ፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ የሺሻይ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ቡዝ እዮም። ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፡ ወዲ ጉኒ፡ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ። ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ባሳንን ኣብ ኣቚሻታን ኣብ ኲሉ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳዕ ወሳሰና ይቕመጡ ነበሩ። ኲላቶም ብዘመን ዮታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፎም። ደቂ ሮቤል ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፡ ዋልታን ሴፍን ዜልዕሉ፡ ቀስቲ ኸኣ ዚግትሩ ምሁራት ውግእ፡ ኣብ ውግእ ዚወጹ ሰባት ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ። ረድኤት ከኣ ረኸቡ፡ ሃግራውያንን እቶም ምሳታቶም ዝነበሩ ዂሎምን ከኣ ኣብ ኣእዳዎም ተዋህቡ። በታ ጊዜ ውግእ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ እሞ፡ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ኸኣ ሰምዖም። መጓሴታቶም ድማ ዘመቱ፡ ሓምሳ ሽሕ ገመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣድግን ሚእቲ ሽሕ ነፍሲ ሰብን ወሰዱ። እቲ ውግእ ካብ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ድሕርዚ ኸኣ እዚኣቶም፡ ክሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ። ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ፡ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓልሔርሞንን ሰኒርን ከረን ሔርሞንን በዝሑ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ፡ እዚኣቶም እዮም፡ ዔፈርን ይሽዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን የርሚያን ሆዳውያን ያሕዲኤልን፡ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፡ ስሙያት ሰባት፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ንኣምላኽ ኣቦታቶም ዐልዮም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር መንዘሩ። ኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋትጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም። ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን። ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ። ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ። መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ። ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ። ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ። ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ። ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ። ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ኪማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ። ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን። ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። ደቂ መራሪ፡ መሕሊን ሙሺን። ዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ጌርሾም፡ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡ ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ። ደቂ ቀሃት፡ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ፡ ኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡ ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ። ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን። ኤልቃና፡ ደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡ ኤልያብ ወዱ፡ ይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ። ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒ፡ ኣብያ ኸኣ። ደቂ መራሪ፡ ማሕሊ፡ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ። እቲ ታቦት ምስ ዐረፈ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ። እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዚቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ሄማን ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡ ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ። ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ።። ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል። ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ፡ ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡ ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ፡ ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ። ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪ። ኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር፡ ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ። እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ። ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣማላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዐጥኑ ነበሩ። ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡ በቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡ መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡ ጻዶቅ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ። እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡ ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቚሻታን ሀብዎም፡ ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሀብዎ። ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሀብዎም፡ ሔብሮን፡ ሊብና ኸኣ ምስ ኣቚሻታ፡ ያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቚሻታን፡ ሔለን ምስ ኣቚሻታ፡ ደቢር ምስ ኣቚሻታ፡ ዓሻን ድማ ምስ ኣቚሻታ፡ ቤትሸመሽ ከኣ ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም። ካብ ነገድ ብንያምውን፡ ጌባዕ ምስ ኣቚሻታን ዓለመት ምስ ኣቚሻታን ዓናቶት ምስ ኣቚሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ። ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴ፡ ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሀብዎም። ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሀብዎም። ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሀብዎም። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቚሻተን ንሌዋውያን ሀብዎም። ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሀብዎም። ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም። ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሀብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቚሻታ፡ ገዘር ከኣ ምስ ኣቚሻታ፡ ዮቅመዓም ምስ ኣቚሻታን ቤትሖሮን ምስ ኣቚሻታን፡ ኣያሎን ምስ ኣቚሻታን ጋትሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃት፡ ዓኔር ምስ ኣቚሻታን ቢልዓም ምስ ኣቚሻታን። ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፡ ጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቚሻታን፡ ካብ ነገድ ይሳኮርውን፡ ቃዴስ ምስ ኣቚሻታ፡ ደብራት ምስ ኣቚሻታ፡ ራሞት ምስ ኣቚሻታን ዓኔም ምስ ኣቚሻታን፡ ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቚሻታን ዓብዶን ምስ ኣቚሻታን፡ ሑቆቅ ምስ ኣቚሻታን ሬሖብ ምስ ኣቚሻታን፡ ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቚሻታን ሓሞን ምስ ኣቚሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም። ነቶም ዝተረፉ፡ ንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ ታቦር ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም። ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቚሻታን ያሕጻ ምስ ኣቚሻታን፡ ቀዴሞት ምስ ኣቚሻታን ያሕጺ ምስ ኣቚሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቚሻታን፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቚሻታን መሓናይም ምስ ኣቚሻታን፡ ሔስቦን ምስ ኣቚሻታን ያዕዜር ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም። ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንን፡ ኣርባዕተ እዮም። ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያን፡ ሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ። ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም። ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ። ደቂ ብንያም፡ ቤላዕን በከርን የዲዓኤልን፡ ሰለስተ እዮም። ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ። ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም። ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩ፡ ሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዚወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒር፡ ሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም። ደቂ ንፍታሌም፡ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ። ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ፡ እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት። ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ።ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ። ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉ፡ ስም ሓው ድማ ሸረሽ፡ ደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም። ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም። ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት። ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም። ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡ ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ኪዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም። ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ፡ ኣሕዋቱ ድማ ኬጸናንዕዎ መጹ። ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወ፡ ጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ። ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤትሖሮንን ዑዜንሸኤራን ሰርሔት። ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡ ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡ ኔዊ ወዱ፡ እያሱ ወዱ። ዝሐዝወንን እተቐመጥወንን ቤትኤልን ከተማታትን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታ፡ ሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን። ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤትሸኣንን ከተማታታን፡ ታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ። ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን። ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ። ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ። ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም። ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን። ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን። ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን፡ በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን። ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን። ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴር፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቊጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ኪዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም። ብንያም ድማ ንቤላዕ በዂሩ ወለደ፡ ካልኣይ ኣሽቤል፡ ሳልሳይ ከኣ ኣሕራሕ፡ ራብዓይ ኖሓ፡ ሓምሳይ ድማ ራፋ። ቤላዕ ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ኣዳርን ጌራን ኣቢሁድን፡ ኣቢሹዓን ናዓማንን ኣሖኣሕን፡ ጌራን ሸፋፋንን ሑራምን። እዚኣቶም ደቂ ኤሑድ እዮም፡ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ጌባዕ እተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ናብ ማናሓት ድማ ማረኽዎም። ናዓማንን ኣሕያን ጌራን ከኣ፡ ንሱ ማረኾም፡ ንዑዛን ንኣሒሑድን ድማ ወለደ። ሸሓራዪም ከኣ ነተን ኣንስቱ ሑሸምን ናዓራን ምስ ፈትሔን፡ ኣብ ሞኣብ ደቂ ወለደ። ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን፡ ንየዑጽን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቂ፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ካብ ሒሺም ከኣ ንኣቢጡብን ንኤልጳዓልን ወለደ። ደቂ ኤልጳዓል ድማ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመርን፡ ንሱ ንኦኖን ንሎድ ምስ ከተማታታን ዝሰርሔ እዩ። ብሪዓን ሸማዕን ከኣ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ኣያሎን ዚቕመጡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ጋት ዚቕመጡ ሰጐጒዎም። ኣሕዮን ሻሻቅን ያሬሞትን፡ ዘባድያን ዓራድን ዔደርን፡ ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ ብሪዓ እዮም። ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን፡ ዪሽመራይን ዪዝሊያን ከኣ ደቂ ኤልጳዓል እዮም። ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን፡ ኤሊዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን፡ ዓዳያን በራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሽምዒ እዮም። ይሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን፡ ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን፡ ሃናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን፡ ዪፍድያን ጰኑኤልን ከኣ ደቂ ሻሻቅ እዮም። ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን፡ የዓረሸያን ኤሊያን ዚክሪን ድማ ደቂ የሮሓም እዮም። እዚኣቶም ኣብ ወወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ሓላቑ ነበሩ፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። ኣቦ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ፡ ስም እታ ሰበይቱ ኸኣ ማዓካ እዩ። በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን፡ ጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን፡ ጌዶርን ኣሕዮን ዜክርን። ሚቅሎት ከኣ ንሽምኣ ወለደ፡ እዚኣቶምውን ኣብ መንጽር እቶም ኣሕዋቶም፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣሕዋቶም ተቐመጡ። ኔር ድማ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ከኣ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ድማ ንዮታንን ንመልኪሹዓን ንኣቢናዳብን ንኤሽባዓልን ወለደ። ወዲ ዮናታን ከኣ መሪብብዓል እዩ፡ መሪብብዓል ድማ ንሚካ ወለደ። ደቂ መካ ኸኣ፡ ጲቶንን መሌክን ታኣረዓን ኣሃዝን እዮም። ኣሃዝ ድማ ንየሆዓዳ ወለደ፡ የሆዓዳ ኸኣ ንዓለመትን ንኣዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ። ሞጻ ድማ ንቢንዓ ወለደ፡ ራፋ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። ኣጼል ከኣ ሹድሽተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ስሞም ድማ እዚ እዩ፡ ዓዝራቃም፡ ቦክሩ፡ ኢስማኤል፡ ሼዓርያ፡ ዖባድያ፡ ሓናን፡ እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣጼል እዮም። ደቂ ዔሼቅ ሓው ድማ፡ ኡላም በዂሪ፡ ካልኣይ የዑሽ፡ ሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ። ደቂ ኡላምውን ተባዓት ተዋጋእቲ፡ ምግታር ቀስቲ ዚኽእሉ ሰባት ነበሩ። ብዙሓት ደቅን ደቂደቅን ድማ፡ ሚእትን ሓምሳን፡ ነበርዎም። እዚኣቶም ኲሎም ካብ ብንያም እዮም። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ መጽሓፍ ወለዶታት ተጻሕፈ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፎም እዮም። ይሁዳ ድማ ብሰሪ ኣበሳኦም ናብ ባቢሎን ተማረኹ። እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማታቶምን ዚነብሩ ዝነበሩ ተቐማጦ ግና እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኔቲኒምን እዮም። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ይቕመጡ ነበሩ፡ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፡ ወዲ ዖምሪ፡ ወዲ ኢምሪ፡ ወዲ ባኒ፡ ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ። ካብ ሲሎናውያን ድማ፡ ዓሳያ እቲ በዂርን ደቁን። ካብ ደቂ ዜራሕ ከኣ፡ የጉኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፡፡ ሹድሽተ ሚእቲን ተስዓን። ካብ ደቂ ብንያም ድማ፡ ሳሉ ወዱ መሹላም፡ ወዱ ሖዳውያ፡ ወዱ ሓዘኑኣ፡ ዪብነያ ወዲ የሮሓም ከኣ፡ ኤላ ወዱ ዑዚ፡ ወዲ ሚክሪ ድማ፡ መሹላም ወዱ ሸፋጥያ፡ ወዲ ሬጉኤል፡ ወዲ ዪብኒያ ኸኣ፡ ኣሕዋቶም ድማ ብወለዶታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሹድሽተን። ኲሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በቤት ኣቦታቶም እዮም። ካብ ካህናት ድማ፡ የዳዕያን የሆያሪብን ያቂንን፡ ዓዛርያውን ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ እቲ ራእሲ ቤት ኣማላኽ። ዓዳያ ኸኣ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ፈሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡ ማዕሳይ ድማ ወዲ ዓዲኤል፡ ወዲ ያሕዜራ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ መሺሌሚት፡ ወዲ ኢመር። ኣሕዋቶም ከኣ እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን፡ ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ኣዝዮም ንፉዓት ዝነበሩ ሰባት። ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ሸማዕያ ወዲ ሓሸብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ ኻብ ደቂ መራሪ፡ ባቅባቃርን ሔረስን ጋላልን ማታንያ ኸኣ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዚክሪ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ ዖባድያ ድማ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ የዱቱን፡ በረክያ ኸኣ ወዲ ዓሳ፡ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋታውያን እተቐመጠ ኤልቃና። ሓለውቲ ደገ ድማ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን ኣሕዋቶምን። ሻሉም ሓለቓ ነበረ። ንሳቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይጸንሑ ኣለው፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ሌዊ እዮም። ሻሉም ከኣ ወዲ ቆሬ፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዘበሉ ኣሕዋቱ ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፡ ኣቦታቶምውን ኣብቲ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም። ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ኪዀኑ እተሐርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዐዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም። ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ። እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳት፡ ብምብራቕ፡ ብምዕራብ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ እዮም ዝነበሩ። እቶም ኣብ ዐዓዶም ዚነብሩ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሰሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምሳታቶ ኪዀኑ። ይመጹ ነበሩ። ከመይሲ እዞም ሌዋውያን ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓላቑ ሓለውቲ ደገ ወርትግ ሰብ መዚ እዮም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ክፍልታትን መዝገባትን ከኣ ምዙዛት ነበሩ። ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሐድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ። ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ ኣገልግሎትሲ ሰብ መዙ ነበሩ እሞ፡ ቈጺሮም የእትውዎ፡ ቈጺሮም ከኣ የውጽእዎ ነበሩ። ገሊኣቶምውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ፡ ኣብ ብዘሎ ኣቓሑ መቕደስ ዋናታት ነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድኹም ሓርጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከኣ እተመዘዙ ነበሩ። ካብቶም ደቂ ኻህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኢ የዳልው ነበሩ። ማቲትያ ኸኣ ካብቶም ሌዋውያን፡ ንሱ በዂሪ ወዱ ንሻሉም ቈራሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምስንካት ኣብ መቚሎ ዘሎ ዕዮ ምዙዝ ነበረ። ካብ ኣሕዋቶም ድማ፡ ካብቶም ደቂ ቀሃታውያን፡ ገሊኣቶም ንሰንበት ሰንበት ኬዳልውዎ፡ ኣብ ልዕሊ እንጌራ ምርኣይ ነበሩ። እቶም ዘማሮ ዝዀኑ ኣብቲ ኽፍልታት ቤት ዚቕመጡ ዝነበሩ፡ ናይ ሌዋውያን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ለይትን መዓልትን ብዕዮኦም ትሑዛት ነበሩ እሞ፡ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ሓራ ነበሩ። እዚኣቶም በብወለዶኦም ኣሕሉቚ፡ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። የዒኤል ኣቦ ጊብዖን፡ ሰበይቱ መዓካ እትብሀል፡ ኣብ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ። በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፡ ድሕሪኡ ጹርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፡ ጌዶርን ዓሕዮን ዘካርያን ሚቅሎትን። ሚቅሎት ከኣ ንሺመኣም ወለደ፡ እዚኣቶም ድማ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ መንጽር ኣሕዋቶም ተቐመጡ። ኔር ከኣ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ድማ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታንን ሜልኪሹዓን ኣቢናዳብን ኤሽባዓልን ወለደ። ወዲ ዮናታን ድማ መሪብባዓል ከኣ ንሚካ ወለደ። ደቂ ሚካ ድማ፡ ጲቶንን መለክን ታሕሬዓን ኣሃዝን። ኣሃዝ ከኣ ንያዕራ ወለደ፡ ያዕራ ድማ ንዓለመትን ዓዝማዌትን ዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ። ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ሬፋያ ኸኣ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። ኣጼል ድማ ሹድሽተ ወዲ ነበርዎ፡ ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ዓዝሪቃም፡ ቦክሪ፡ እስማኤልን ሸዓርያን ዖባድያን ሓናንን። እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልባዓ ወደቑ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ደቁን ስዒቦም እግር እግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ኣቢናዳብን ማልኪሹዓን ቀተልዎም። ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከኣ እቲ ውግእ በርትዔ፡ ወርወርቲ መንትግውን ኣርከብዎ፡ በቶም ወርወርቲ ድም ኣዝዩ ተጨነቐ። ሽዑ ሳኦል ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም መጺኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ ምሰቶ እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈርሄ እሞ፡ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ፡ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ሞተ። በዚ ኸምዚ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፡ ኲሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ። እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ከተማታቶም ሐዲጎም ሀደሙ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንደቁን ከኣ ኣብቲ ኸረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። ሽዑ ገፈፍዎ፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ወሲዶም ከኣ ንጣኦቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኼበስሩ፡ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። ነቲ ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ። ብዘለው ሰብ ያቤሽጊልዓድ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ምስ ሰምዑ፡ ጀጋኑ ዘበሉ ዂሎም ሰባት ተንስኡ እሞ ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ያቤሽ ኣምጽእዎም፡ ነቲ ኣዕጽምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ድዋ ቐበርዎ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ። ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ። ሽዑ ብዘለው እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ሔብሮን ተኣኪቦም ከምዚ በልዎ፡ እኔና ንሕናስ ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ካብ ቀደም ድማ እቲ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ እቲ ንእስራኤል እተውጽኦን እተኣትዎን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸኣ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ። ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹ፡ ዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ። ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡ ከደ። ተቐማጦ እታ ሃገር ይብሳውያን ኣብኣ ነበሩ። እቶም ሰብ ይብስ ከኣ ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሐዛ። ዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ኪኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ። ዳዊት ከኣ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፡ ስለዚ ንእኣ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ። ነታ ኸተማ ድማ ብዙርያ፡ ካብ ሚሎ ሒዙ ኽሳዕ ዙርያኣ ሰርሓ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸኣ ዮኣብ ኣዐረዮ። ዳዊት ድማ እናዐበየ ኸደ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ። እቶም ምስ ብዘሎ እስራኤል ኰይኖም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል፡ ንዳዊት ኬንግስዎ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዀይኖም ድማ ብሓይሊ ዝሐገዝዎ ኣውራታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም። ቊጽሪ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ያሾበዓም፡ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ እዚ ርእሲ እቶም ሰላሳ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ፡ ብሐደ ሳዕ ቀተሎም። ድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ እቲ ዓሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ። ንሱ ኣብ ጰስዳሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያ ሀደሙ። ንሳቶም ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሞም ኣድሐንዋ፡ ንፍልስጥኤማያንውን ሰዐርዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዓብዪ ምድሓን ኣድሐኖም። ካብቶም ሰላሳ ኣውራታት ድማ ሰለስተ ናብታ ከውሒ፡ ናብ ዳዊት ኣብታ በዓቲ ኣዱላም ወረዱ፡ እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ። ሽዑ ዳዊት ኣብ እምባ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ሽዑ ኣብ ቤትልሄም ነበሩ። ዳዊት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ። ሽዑ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ ማይ ቀድሑ፡ ጾይሮም ድማ ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐወሉ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን። ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ፡ በለ። ስለዚ ኺሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ። ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ከኣ ርእሲ እቶም ሰለስተ ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ስሙይ ነበረ። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም ከኣ ዀነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ ብዓል ቀብጽኤል፡ ንሱ ኽልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ንሱ ድማ ብጊዜ ውርጪ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። ንሱ ኸኣ ንሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ፡ ነዊሕ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ሰብኣይ፡ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። እንሆ፡ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኸርቱ ገበሮ። እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ቤትልሄማዊ፡ ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡ ዒራ ወዲ ዒቄሽ፡ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢዔዘር እቲ ኣናቶታዊ፡ ሲብካይ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡ ማሃራይ እቲ ንጦፋታዊ፡ ሔለድ ወዲ በዓና፡ እቲ ንጦፋታዊ፡ ኢታይ ወዲ ሪባይ፡ ካብ ጊብዓ፡ ካብቶም ደቂ ብንያም፡ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡ ሑራይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡ ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤለያሕባ እቲ ሳዓልቦናዊ፡ በነሃሽም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ፡ እቲ ሓራራዊ፡ ኣሒኣም ወዲ ሻካር እቲ ሓራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር። ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጶሎናዊ። ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡ ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡ ጼለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግሬ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡ ኡሪያ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡ ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ሓደ ሓለቓ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ኸኣ ሰላሳ፡ ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ ኸኣ፡ ዑዚያ እቲ ዓሽትራታዊ፡ ሻማን የጉኤልን ደቂ ሖታም ዓሮዔራዊ፡ የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው፡ እቲ ቲጻዊ። ኤሊኤል እቲ ማሃዊ፡ ዪሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም ከኣ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡ ኤሊኤልን ዖቤድን ያዓሺኤል እቲ መጾባያውን። ዳዊት ገና ኻብ ገጽ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሐቢኡ ኸሎ፡ እቶም ናብኡ ኣብ ጺቅላግ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውግእ ዝሐገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ። ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዚኽእሉ፡ ብቐስቲውን ፍላጻ ዚውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያማውያን እዮም ዝነበሩ። ኣሒዔዘር እቲ ርእሰን ዮኣስን፡ ደቂ ሽማዓ እቲ ጊብዖናዊ፡ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ኣዝማዌት፡ ብራካን የሁ እቲ ዓናቶታውን። ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ ድማ ሓደ ጅግና ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ፡ ሐለቓ እቶም ሰልሳ፡ ኤርምያስን ያሓዚኤልን ዮሓናንን ዮዛባድ እቲ ገደራታውን። ኤልዑዛይን የሪሞትን በዓልያን ሸማርያን ሸፋጥያ እቲ ሓሩፋውን፡ እቶም ቈረሓውያን፡ ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾብዓምን፡ ዮዔላን ዘባድያን፡ ደቂ ይሮሓም ካብ ግዶር። ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማት፡ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባት፡ ገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡ ዔዘር እቲ ርእሲ፡ እቲ ኻልኣይ ዖባድያ፡ እቲ ሳልሳይ ኤሊያብ፡ እቲ ራብዓይ ሚሽማና፡ እቲ ሓምሳይ ኤርምያስ፡ እቲ ሳድሳይ ዓታይ፡ እቲ ሳብዓይ ኤሊኤል፡ እቲ ሳምናይ ዮሓናን፡ እቲ ታስዓይ ኤልዛባድ፡ እቲ ዓስራይ ኤርምያስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓድ ማክባናይ። እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ሓላቑ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፡ ሓደ ኻባቶቶም እቲ ንኡስ ክንዲ ሚእቲ፡ እቲ ዓብዪ ኸኣ ክንዲ ሽሕ ያኣክል ነበረ። እቶም በታ መጀመርያ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገምገም ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ ኸላ እተሳገሩ፡ ነቶም ኣብ ለሴታት ዚነብሩ ዂሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጒዎም ድማ እዚኣቶም እዮም። ካብ ደቂ ብንያም ይሁዳን ከኣ ናብ ዳዊት፡ ናብቲ እምባ መጹ። ዳዊት ድማ ኪቕበሎም ወጸ፡ ከምዚ ተዛሪቡ ኸኣ መለሰሎም፡ ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ ዄንኩም ዝመጻእኩምኒ፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ዓመጽ ዜልቦ ኽነሱስ፡ ኣብ ጸላእተይ ከተትሕዙኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይቕጽዓዮ። ሽዑ ኣማሳይ ኣውራ እቶም ሰላሳ፡ መንፋስ ለበሰ እሞ፡ ኣታ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፡ ኣታ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽ ሐጊዙካ እዩ እሞ፡ ሰላም ንኣኻ፡ ሰላም፡ ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን፡ በለ። ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፡ ሓላቑ ጭፍራ ድማ ገበሮም። ገለ ኻብ ምናሴውን ናብ ዳዊት ሐለፉ፡ እዚ ኸኣ ንሱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑስ፡ ንሳኦል ኪወግእ ወጺኡ ኸሎ እዩ ዝዀነ፡ ግናኸ እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ከየብል፡ ኢሎም ብምኽሪ ሰደድዎ እሞ፡ ኣይሐገዝዎምን። ናብ ጺቅላግ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝሐለፉ፡ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ናይ ምናሴ ሓላቑ ሽሕ። ንሳቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ሓላቑ ዝዀኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ኣንጻር እቲ ጭፍራ ዘመትቲ ሐገዝዎ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ እሞ፡ ከም ሰራዊት ኣምላኽ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ዀነ። እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብኡ ምእንቲ ኼምልስዋ፡ ናብ ዳዊት ናብ ሔብሮን ዝመጹ፡ ንውግእ እተሰለፉ ተዋጋእቲ፡ ቊጽሮም እዚ እዩ፡ ደቂ ይሁዳ፡ ዋልታን ኲናትን ዝጾሩ፡ ንውግእ እተሰለፉ ሹድሽተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን። ካብ ደቂ ስምኦን፡ ንውግእ ሓያላት ጀጋኑ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን። ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን። የሆይዳ፡ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን። ጻዶቅ ድማ ጐበዝ፡ ሓያል ጀግና፡ ምስኡ ኸኣ ዕስራን ክልተን ሓላቑ ኻብ ቤት ኣቦኡ። ካብ ደቂ ቢንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን እዝስ ዚበዝሑ ኻባታቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ጸኒዖም ነበሩ። ካብ ደቂ ኤፈሬም ከኣ ዕስራ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት ሰባት። ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ፡ ንዳዊት ኬንግሱ ኺመጹ በብስሞም እተሰምዩ። ካብ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኺፈልጡ፡ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፡ ክልተ ሚእቲ ዋናታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ድማ ኲሎም ኣሕዋቶም ምሳታቶም። ካብ ዛብሎን ብዂሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፈ፡ ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ፈለጥቲ ስርዓት ውግእ፡ ልቦም ዘይብቑል፡ ሰብ ስርዓት፡ ሓምሳ ሽሕ። ካብ ንፍታሌም ከኣ ሽሕ ሓላቑ፡ ምሳታቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ። ካብቶም ሰብ ዳን ከኣ ንውግእ እተሰለፉ፡ ዕስራን ሾሞንተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን። ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ኣርብዓ ሽሕ። ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ብዂሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፉ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ። እዚኣቶም ኲሎም ንውግእ እተዳለው ተዋጋእቲ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኬንግዎ፡ብፍጹም ልቢ ናብ ሔብሮን መጹ። ብዘሎ እቲ ዝተረፈ እስራኤል ከኣ ዳዊት ንምንጋስ ሓደ ልቢ ነበረ። ኣሕዋቶም ኣሳናድዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ። ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኰይኑ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፡ ክሳዕ ኣብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፡ እንጌራን ሓርጭን ጐጎ በለስን ጐጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ሰባሕትን ጤል በጊዕን ኣምጽኡሎም። ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ። ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለው ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብኤን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኺእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም። ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ። እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎ ነበረ እሞ፡ ብዘሎ እቲ ማሕበር፡ ከምኡ ንግበር፡ በለ። ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያትየዓሪም ምእንቲ ኼምጽኦ ኸኣ፡ ካብ ሲሖር ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዂሎም እስራኤል ኣከቦም። ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ነቲ ታቦት ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዚቕመጥ እግዚኣብሄር፡ ንሱውን ብስሙ እተሰምየሉ፡ ካብኣ ምእንቲ ኺወስድዎ፡ ናብ ባዓላ ናብ ቂርያትየዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ። ነቲ ታቦት ኣማላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም ድማ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰዱዎ። ዑዛን ኣሒዮን ከኣ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። ዳዊትን ብዘለው እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብጸናጽልን ብመለኸታትን ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ነቲ ታቦት ኪሕዞ ኢዱ ዘርግሔ። ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሔ ኸኣ፡ ቀዘፎ እሞ፡ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ። ዳዊት ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ እሞ ነቲ ቦታ እቲኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ፡ ጰሬጽዑዛ ኢሉ ሰመያ። ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሁ፡ ታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምጽእ በለ። ስለዚ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ዖቤድኤዶም ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዐዞን። እቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድኤዶም ኣብ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ዖቤድኤዶም ንዂሉ ዘለዎን ባረኾ። ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ። ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ። እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡ ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡ ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡ ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ። ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ። ናብ በዓልጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓልጰራጺም ኣውጽኡላ። ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ። ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ። ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም። ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብታ ኸተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሰርሔ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ዚኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸኣ ንእኡ ድንኳን ተኸለሉ። ሽዑ ዳዊት፡ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ሰብ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ንታቦት ኣምላኽ ኣይጽሮ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኼደይቦ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦ። ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም። ካብ ደቂ ቀሃት፡ ኡሪኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዕስራን፡ ካብ ደቂ መራሪ፡ ዓሳያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእትን ዕስራን፡ ካብ ደቂ ጌርሾም፡ ዮኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ሰላሳን፡ ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሸማዕያ እቲ ሐለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእቲ፡ ካብ ደቂ ሔብሮን፡ ኤሊኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሰማንያ፡ ካብ ደቂ ዑዚኤል፡ ኣሚናዳብ እቲ ሓላቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ። ዳዊት ድማ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ እቶም ካህናት፡ ነቶም ሌዋውያን፡ ንኡሪኤልን ዓሳያን ዮኤልን ሸማዕያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ጸውዖም። ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ። ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ። ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ምእንቲ ኼደይብዎ፡ ተቐደሱ። እቶም ደቂ ሌዋውያን ከኣ፡ ሙሴ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ ገይሩ ኸም ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመሰላታት ኣብ መናኩቦም ጾርዎ። ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክ፡ ብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቚምዎም ተዛረቦም። ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንሄማን ወዲ ዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣሳፍ ወዲ በረክያን ካብ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪውን ኤታን ወዲ ቁሻያ ኣቘሙ። ምሳታቶም ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም፡ ዘካርያስን ቤንን ያዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን በናያን ማዓያን ማዓሳያን ማቲቱያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ። እቶም መዘምረን፡ ሄማንን ኣሳፍን ኤታንን፡ ድማ ብጸናጽል ኣስራዚ የቓንዩ ነበሩ። ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን ማዓሰያን በናያን ከኣ ብመሰንቆ ንዓለሞት። ማቲትያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ብበገና ንሸሚኒት ኪመርሑ። ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ኣብ መዝሙር መራሒ እዩ። ንሱ በዚ ፈላጥ ነበረ እሞ፡ መዝሙር የስተምህር ነበረ። በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ። ድማ ሸባንያን ዮሳፋጥን ንታንኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤሊዔዘርን፡ እቶም ካህናት፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን የሒያን ከኣ ሐለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ። ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ኬደይብዎ ኸዱ። ኰነ ድማ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን፡ ኣምላኽ ምስ ሐገዞም፡ ሾብዓተ ኣርሓን ሾብዓተ ድዑልን ሰውኡ። ዳዊት ድማ ባርኖስ ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ተኸዲኑ ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ታቦት ዚጾሩ ዂሎም ሌዋውያንን እቶም ዘመርትን፡ ቀናንያ እቲ መራሕ መዝሙር ከኣ ምስቶም ዘመርቲ፡ ንዳዊት ድማ ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ። ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመጸንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ። ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረኣየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኬገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን ስርዔ፡ ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ፡ በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ። ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ቐዳማይ ጊዜ ኣዘዘ። ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ። ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ። በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩ፡ ልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ይተሐጐስ። ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ፡ ገጹ ዂሉጊዜ ድለዩ። ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን፡ ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ። ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፡ ደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ፡ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣሎ። ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ። ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፡ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሃቅ ዝመሐለሉ ማሕላ ዘክሩ። ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየ፡ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ። ሽዑ ብቚጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡ ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም። ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሐለፉ። ሓደ ሰብ እኳ ኺገፍዖም ኣይሐደገን፡ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ። ንቕቧተይ ኣይትቕረብዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም። ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ። እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡ ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ። ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹ፡ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ ኣሎ። ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎ፡ መባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ። ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፡ ዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ ኣይትናወጽን ከኣ። ሰማያት ባህ ይበል፡ ምድሪውን ትተሐጐስ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ፡ ይበሉ። ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሀቡ፡ መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሐጐስ። ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ። ጻጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ በሉውን፡ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፡ ብምውዳስካውን ክንከብርሲ፡ ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ኣድሕነና፡ ካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹን። ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዜድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉጊዜ ኼገልግሉ፡ ድዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሐደጎም። ዖቤድኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ኪዀኑ፡ ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡ ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉ፡ ኲሉጊዜ፡ ብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ ኣመዘዞም። ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ኬመስግንዎ። ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዜቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደ። ዳዊት ከኣ ንቤቱ ኺባርኻ ተመልሰ። ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ፡ በሎ። ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡ ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ። ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡ ካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ ኢለዶ ተዛረብኩ ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ። ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለው ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡ ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ። ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ፡ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ። ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየ፡ ንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኢ እዩ። ምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋ፡ ካብኡ ኣይክመልሳን እየ። ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ። ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ ቤተይከ እንታይ እያ ዎ ኣምላኽ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ። ንባርያኻስ ትፈልጦ ኣሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩ ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ። ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን። ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ ኣሎ እዩ ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኹ ዀንካሉ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር። ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበን። እታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ ኣላ። ዎ ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ። ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞ፡ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ። ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ስዒሩ ኣጥቅዖም፡ ንጋትን ዓድታታን ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን። ንሞኣብውን ሰዐሮ እሞ፡ ሞኣባውያን ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ድማ ንስልጣኑ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኬጽንዖ ምስ ከደ፡ ንሃዳአዔዘር ንጉስ ጾባ ኣብ ሓማት ሰዐሮ። ዳዊት ከኣ ካብኡ ሽሕ ሰረገላን ሾብዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋራይ ሰብን ወሰደ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም፡ ካብኦም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ። እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። ዳዊት ድማ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ እቶም ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ። ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላው ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ። ዳዊት ከኣ ካብ ጢብሓትን ካብ ኩንን፡ ከተማታት ሃዳርዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ። ብእኡ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ኣስራዝን ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ። ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ ንዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኸም ዝሰዐሮ ምስ ሴምዔ፡ ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን ንሃዳርዔዘር ተዋኣጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ኲሉ ዓይነት ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ነበረ። ነዚውን ንጉስ ዳዊት ምስቲ ኻብ ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቅን፡ ዘምጽኦ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ። ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ቀተለ። ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኲሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ገላውኡ ዀኑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ። ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ። ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ ነበረ። ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ሓላቑ ነበሩ። ድሕሪዚ ድማ ዀነ፡ ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ነገሰ። ዳዊት ድማ፡ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ምሕረት ክገብረሉ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን ኣተው። እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ እዞም ገላውኡ ነዛ ሃገር ምእንቲ ኺምርምርዋን ኬጥፍእዋን ኪስልይዋን ደይዀኑን ናባኻ ዝመጹ፡ በልዎ። ሽዑ ሓኑን ንገላው ዳዊት ወሲዱ ላጸዮም፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። ነቶም ሰባት ዝዀኖም ነገር ከኣ ገለ ሰባት ከይዶም ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ እቶም ሰባት ብዙሕ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ዚቕበልዎም ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩም ተመለሱ፡ በሎም። ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ብሰሪ ርእሶም ከም እተጸልኡ፡ ምስ ረኣዩ፡ ሓኑንን ደቂ ዓሞንን ካብ ኣራምናሃራዪምን ካብ ኣራምማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩስ፡ ሽሕ ታለንት ብሩር ሰደዱ። ሽዑ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ንንጉስ መዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ፡ እዚኣቶም መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ ሰፈሩ፡ ደቂ ዓሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ኪዋግኡ መጹ። ዳዊት ከኣ ምስ ሰምዖ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ጀጋኑን ሰደደ። ደቂ ዓሞን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመጹ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። ዮኣብ ከኣ እቲ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝዀኖ ምስ ረኣየ፡ ካብ ኲሎም እቶም ሕሩያት ኣብ እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሻይ ሓው ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበሉ ኸኣ ተሰለፉ። በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሐየሉ ኸኣ፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ። ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር። ሽዑ ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ናብ ቅድሚኦም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ። እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሓው ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተው። ሽዑ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ልኡኻት ሰደዱ እሞ፡ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽእዎም፡ ሾፋኽ ናይ ሃዳርዔዘር ሓለቓ ሰራዊት ከኣ መርሖም። እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ንውግእ ኪቃባበሎም ምስ ተሰለፈ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ። እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሰባት ናይ ሾብዓተ ሽሕ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ እግረኛ ሰብን ቀተለ። ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ። እቶም ገላው ሃዳርዔዘር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ ዳዊት ተዐርቁ እሞ ተገዝእዎ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕሪ ደጊም ንደቂ ዓሞን ኪረድእዎም ኣይፈተውን። ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጽሉ ጊዜ፡ ዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣ፡ መጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዐራ እሞ ኣፍረሳ። ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳ፡ ሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣዕናቚ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረት። ካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ። ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ። ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊ፡ ቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ። ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ። እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ። ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ። ሰይጣን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተንስኤ እሞ፡ ንዳዊት እስራኤል ኪቘጽር ኣልዓዐሎ። ዳዊት ከኣ ንዮኣብ ንሓላቑ ህዝብን፡ ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤርሸባዕ ክሳዕ ዳን ቊጸርዎ፡ ቊጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ከኣ፡ ቃል ኣምጽኡለይ፡ በሎም። ዮኣብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ሳዕ ይወስኮ፡ ግናኸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኲሎም ገላው ጐይታይዶ ኣይኰኑን ስለምንታይ ጐይታይ ነዚ ነገር እዚ ይደልዮ ኣሎ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት ንበደል ዚኸውን በለ። እቲ ቓል ንጉስ ግና ንዮኣብ በርትዖ። ስለዚ ዮኣብ ወጸ፡ ናብ በዘሎ እስራኤል ከይዱ ኸኣ ናብ የሩሳሌም መጸ። ዮኣብ ድማ ቊጽሪ እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንዳዊት ሀቦ። ካብ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ዓሰርተው ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ዘብ ነበሩ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ሰብ ነበሩ። ዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ይፍንፍኖ ነበረ እሞ፡ ንሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይቈጸሮምን። እዚ ነገር እዚ ግና ንኣምላኽ ኣጒሀዮ እሞ፡ ንእስራኤል ቀዘፎ። ሽዑ ዳዊት ንኣምላኽ፡ እዚ ነገር እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በደልኩ፡ ብዙሕ ድማ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ግና በጃኻ፡ በደል ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንጋድ ናይ ዳዊት ረኣዪ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኪድ እሞ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ንኣኻ ሓደ ሕረ እሞ፡ ክገብረልካ እየ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ጋድ ከኣ ናብ ዳዊት ኣተወ በሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ እትደልዮ ሕረ፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት፡ ወይስ ሴፍ ጸላእቲኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ምህዳም፡ ወይስ ሴፍ እግዚኣብሄር፡ ማለት ኣብዛ ሃገር ሰለስተ መዓልቲ ፌራ፡ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ኬምጽእ። ነቲ ዝለኣኸንስ እንታይ ቃል ከም ዝመልሰሉ ሕጂ ሕሰብ። ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ እምኦ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ እወድቕ፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ካብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰብ ወደቑ። ድማ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ መልኣኽ ሰደደላ፡ ንሱ ኼጥፍእ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ረኣዮ እሞ፡ በቲ ኽፋእ ተጣዒሱ፡ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣርናን እቲ ይብሳዊ ደው በለ። ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቛሕ ኣበላ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ደው ኢሉ እተመሌሔት ሴፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘርጊሕዋ ረኣየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ማቕ ተኸዲኖም ብገጾም ተደፍኡ። ዳዊት ድማ ንኣምላኽ በሎ፡ ኣነ ደይኰንኩን እቲ ህዝቢ ኪቚጸር ዝበልኩ ኣነ እየ ዝኣበስኩን ነቲ ብዙሕ ክፋእ ዝገበርኩን፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር፡ ናብ ህዝብኻስ ንምቕዛፉ ኣይትኹን። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፡ ንዳዊት፡ ንሱ ደይቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኬቚመሉ፡ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዞ። ዳዊት ከኣ በቲ ጋድ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ደየበ። ኦርናን ድማ ግልጽ በለ፡ ነቲ መልኣኽ ከኣ ረኣዮ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሐብኡ። ኦርናን ግና ስርናይ የኽይድ ነበረ። ዳዊት ናብ ኦርናን ምስ መጸ ኸኣ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ፡ ካብቲ ዓውዲ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍኤ። ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልከል፡ ንእግዚኣብሄር ኣብኣ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሀበኒ፡ንእኡ ብምሉእ ዋጋ ሀበኒ፡ በሎ። ኦርናን ከኣ ንዳዊት፡ ንኣኻ ውሰዳ፡ ጐይታይ ንጉስ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ እንሆ፡ እዞም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ሰረገላታት ከኣ ንዕጨይቲ፡ ስርናይውን ንመስዋእቲ ብልዒ እህብ፡ ኲሉ ሂበ ኣሎኹ፡ በሎ። ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ ኣይፋል፡ ንእግዚኣብሄር ኢለስ ናትካ ዝዀነ ኽወስድ ኣይደልን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ዋጋ ዜብሉስ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብርግጽ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽሻየጣ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኦርናን ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ሀቦ። ዳዊት ድማ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ኣዕረገ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ፡ ንሱ ኸኣ ብሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰዊኢ ምሕራር ካብ ሰማይ ምላሽ ሀቦ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ ሴፉ ናብ ሰገባኣ መለሳ። በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ምላሽ ከም ዝሀቦ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ሰውኤ። እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር እግዚኣብሄር እቲ መሰውኢ ምሕራርንሲ በቲ ጊዜ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ እዩ ዝነበረ። ግናኸ ዳዊት ብዛዕባ እታ ሴፍ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄ፡ ንኣምላኽ ኪደልዮ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን። ዳዊት ከኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዚ ትኹን፡ ንእስራኤል መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣብዚ ይኹን፡ በለ። ዳዊት ድማ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዚነብሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ። ቤት ኣምላኽ ኪስራሕ ከኣ ኣእማን ዚወቕሩ ወቐርቲ ሰርዔ። ዳዊት ድማ ንመዓጹ ኣፍ ደጌታትን ንመተሓሐዝን ዚኸውን ሽንካር ብዙሕ ሓጺንን ሚዛን ዜብሉ ብዙሕ ኣስራዝን ኣከበ። ሲዶናውያን ጤሮሳውያንን ብዙሕ ኣእዋም ቄድሮስ ንዳዊት የምጽኡሉ ነበሩ እሞ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኦም ቄድሮስ ከኣ ኣከበ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እታ ንእግዚኣብሄር እትስራሓሉ ቤት ግና ኣብ ኲለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን ክተከውንሲ፡ አዝያ ዓባይ ክትከውን ይግባእ፡ ስለዚ ኸዳልወላ ደልየ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ኣዳለወ። ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሐሉ ኣዘዞ። ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ ብልበይ ሐሲበ ነበርኩ። ግናኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ። እንሆ፡ ንኣኻ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፡ ንሱ ህዱእ ሰብ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየ። ስሙ ሰሎሞን ኪብሀል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሓሉ እዩ፡ ንሱ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክዀኖ እየ። ዝፋን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። ሕጂ፡ ኣታ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ የቕንዓልካውን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ድማ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስራሕ። ሓንትስ ኰታ፡ እግዚኣብሄ ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሀብካ። ንሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ክትሕልዎስ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል የግዝእካ። ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዛዕባ እስራኤል ዝኣዘዞ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ እንተ ተጠንቀቕካስ፡ ኪቐንዓካ እዩ። ጽናዕን ትባዕን፡ ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን። እንሆ ኸኣ፡ ብጭንቀተይ ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ፡ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳለኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ። ብዙሓት ዓየይቲ ኸኣ ምሳኻ ኣለው፡ ቀረጽትን ወቐርትን ጸረብትን ኲሉ ዓይነት ዕዮ ዚፈልጡ ዂሎምን። ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር፡ ናይ ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ቊጽሪ የብሉን። ተንስእ እሞ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን። ዳዊት ከኣ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኣዘዞም፡ ከምዚ በሎም፡ እቶም ኣብ ሃገር ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ፡ እዛ ሃገር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም ኣየሎን፡ ብዂሉ ወገንከ ዕረፍቲ ሂቡኩም ዶ ኣይኰነን ሕጅስ ልብኹምን ነፍስኹምን ንምድላው እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስ ኣቓሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ኪኣቱስ፡ ተንስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ። ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም። እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቚጽሩ፡ እቲ ቚጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቶ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሐልዮሉ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ። ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም። ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን። ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልን፡ ሰለስተ። ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም። ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይ። የዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ። ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን፡ ኣርባዕተ። ደቂ ዓምሪም አሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ኪቕድስ ተፈልየ፡ ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ኬዕርጉን ኬገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ኪባርኹን እዮም። ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ። ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም። ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ። ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ። ደቂ ዪጽሃር፡ ሸሎሚት እቲ ዋና። ደቂ ሔብሮን፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤልእቲ ሳልሳይ፡ ይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ። ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ እቲ ዋና፡ ዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ። ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን። ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሐደገ ሞተ፡ ኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን። ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት፡ ካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም። ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ። ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዜገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ኪጾሩ ኣየድልዮምን። በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ተቘጽሩ። ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ኬጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ። ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቚሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ኪሐልዩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎን ኪውድስዎን፡ ምሸት ከኣ ኸምኡ፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔ፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቚጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ። ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም። ክፍልታት ደቂ ኣሮን ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣቢሁን ኤልኣዛርን ኢታማርን እዮም። ናዳብን ኣቢሁን ግና ቅድሚ ኣቦኦም ሞቱ፡ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኤልኣዛርን ኢታማርን ካህናት ኰ ኑ። ዳዊት ድማ ምስ ጻዶቅ ካብ ደቂ ኤልኣዛርን ምስ ኣሒሜሌክ ካብ ደቂ ኢታማርን ኰይኑ፡ ከምቲ እተሰርዓሎም ኣገልግሎቶም መቐሎም። ኣብ ደቂ ኤልኣዛር ከኣ ካብ ደቂ ኢታማር ዚበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተመቕሉ፡ ካብ ደቂ ኤልኣዛር ዓሰርተው ሹድሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኰኑ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ከኣ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሾሞንተ ዋናታት ኰኑ። ካብ ደቂ ኤልኣዛር ኰነ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ኰነ ሹማምቲ መቕደስን ሹማምቲ ኣምላኽን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እዚኣቶም ምስ እቲ እቶም ብዕጭ ተመቕሉ። እቲ ጸሓፊ፡ ሸማዕያ ወዲ ንታንኤል፡ ካብ ነገድ ሌዊ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን ካህን ጻዶቅን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን፡ ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ጸሐፎም። ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኤልኣዛር፡ ሓደ ኸኣ ንኢታማር ተወስደ። እሞ እቲ ቐዳማይ ዕጭ ንዮያሪብ፡ እቲ ኻልኣይ ንየዳያ ወጸ፡ እቲ ሳልሳይ ንሓሪም፡ እቲ ራብዓይ ንስዖሪም፡ እቲ ሓምሳይ ንማልኪያ፡ እቲ ሳድሳይ ንሚያሚን፡ እቲ ሳብዓይ ንሃቆጽ፡ እቲ ሳምናይ ንኣቢ፡ እቲ ታስዓይ ንየሹዓ፡ እቲ ዓስራይ ንሸካንያ፡ መበል ዓሰርተው ሓደ ንኤልያሺብ፡ መበል ዓሰርተው ክልተ ንያቂም፡ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንሑጳ፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንየሸብኣብ፡ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንቢልጋ፡ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንኢመር፡ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንሔዚር፡ መበል ዓሰርተው ሾምንተ ንሃጲጸድ፡ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንጳታሕያ፡ መበል ዕስራ ንይሔዝቅኤል፡ መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፡ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፡ መበል ዕስራን ሰለስተን ንደላያ፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንማዓዝያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኢድ ኣቦኦም ኣሮን ዝሀቦ ስርዓት ንእኡውን ዝኣዘዞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትውስ ስርዓት ኣገልግሎቶም እዚ እዩ። ናይቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ ኸኣ፡ ናይ ደቂ ዓምራም ሹባኤል፡ ናይ ደቂ ሹባኤል የሕደያ፡ ናይ ረሓብያ፡ ናይ ደቂ ረሓብያ ዪሺያ እቲ ዋና። ናይ ይጽሓራውያን፡ ሸሎሞት፡ ናይ ደቂ ሸሎሞት ያሓት። ደቂ ሔብሮን ድማ፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም እቲ ራብዓይ። ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ፡ ናይ ደቂ ሚካ ሻሚር። ሓው ሚካ፡ ዪሺያ ዘካርያስ። ደቂ መራሪ ማሕሊን ሙሺን እዮም፡ ደቂ ያዓዚያ፡ ቤኖ። ደቂ መራሪ ናይ ያዓዚያ፡ ቤኖን ሸሃምን ዛኩርን ዒብሪን። ናይ ማሕሊ፡ ኤልኣዛር፡ ንሱ ድማ ደቂ ኣይነበርዎን። ናይ ቂስ፡ ደቂ ቂስ የራሕምኤል። ደቂ ሙሺ ኸኣ፡ ማሕሊን ዔደርን የሪሞትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደቂ ሌዋውያን እዮም። እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ። ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም። ቊጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዚዐዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዚዀኑ። ካብ የዱቱን፡ ደቂ የዳቱን፡ ግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያን፡ ሹድሽተ፡ ብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዚዀኑ። ካብ ሄማን፡ ደቂ ሄማን፡ ቡቂያ፡ ማታንያ፡ ዑዚኤል፡ ሼቡኤል፡ የሪሞት፡ ሓናንያ፡ ኤሊኣታ፡ ጊዳልቲ፡ ሮማምቲዕዘር፡ ዩሽብቃሽ፡ ማሎቲ፡ ሆቲር፡ ማሓዚኦት። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ኬብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሀቦ። እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ። ቊጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ። ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ። እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሔት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ። እታ ሳልሰይቲ ንዛኩር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ሓምሰይቲ ንነገታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ታስዐይቲ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ ዓስረይቲ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያ፡ ድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲዕዘር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። ብናይ ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብ ቆረሓውያን መሸለምያ፡ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ። መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡ እቲ ሓምሳይ ዔላም፡ እቲ ሳድሳይ ዮሓናን፡ እቲ ሳብዓይ ኤልይሆዔላም። ዖቤድኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ከኣ ሳካር፡ እቲ ሓምሳይውን ንታንኤል፡ እቲ ሳድሳይ ዓሚኤል፡ እቲ ሳብዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሳምናይ ጳዑለታይ፡ ኣምላኽ ባሪኽዎ ነበረ። ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ ኣወዳት ተወልዱሉ፡ ንሳቶም ሓያላት ብርቱዓትን ሰብ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይገዝኡ ነበሩ። ደቂ ሸማዕያ፡ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፡ እቶም ንፉዓት ሰባት ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን። እዚኣቶም ኲሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ፡ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ነገልግሎት ዚበቕዑ ንፉዓት ሰባት፡ ስሳን ክልተን ካብ ዖቤድኤዶም። መሸለምያውን ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ንፉዓት ሰባት። ሖሻ ኻብ ደቂ መራሪ ድማ ደቂ ነበርዎ፡ ሺምሪ ዋና ነበረ፡ ንሱ በዂሪ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ኣቦኡ ዋና ገበሮ። እቲ ኻልኣይ ሒልቂያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠበልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ፡ ናይ ሖሽ ደቅን ኣሕዋትን ኲሎም ዓሰርተው ሰለስተ ነበሩ። እቶም ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝነበሩ፡ ማለት ካብቶም ኣውራ ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ነገልግሎት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ኣሕዋቶም መዚ ተቐበሉ። ነናይ ደገ ኸም መማይ ቤት ኣቦታቶም ንእሽቶ ኸም ዓብዪ ዕጭ ተዋደቑለን። እቲ ናይ ምብራቕ ዕጭ ኣብ ሸለምያ ወደቐ። ለባም መኻሪ ንዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ ዕጭ ኣውደቑሉ፡ ዕጩ ኸኣ ብናይ ሰሜን ወጸ። ንዖቤድኤዶም እቲ ናይ ደቡብ በጽሖ፡ ነቶም ደቁ ድማ ቤት መዛግብቲ። ናብ ምዕራብ፡ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ሻለከት እተደይብ መገዲ ንሹጲምን ንሖሳን በጽሖም። ንሱ እታ ሓለዋ ኣብ መንጽር ሓለዋ ናይ ዘለዋኦ እዩ። ብምብራቕ ሹድሽተ ሌዋውያን ነበሩ፡ ብሰሜን ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ብደቡብ ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኸኣ ክልተን ክልተን። ንጳርባር ብወገን ምዕራብ ኣብታ ልዕል ዝበለት በገዲ ኣርባዕተ፡ ኣብ ጳርባር ድማ ክልተ ነበሩ። እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ መራሪን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ደጌታት እዚኣቶም እዮም። ካብ ሌዋውያን ድማ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ነበረ። ደቂ ላዕዳን፡ ደቂ ጌርሻናውያን ካብ ላዕዳን፡ ዋናታት ናይቲ ጌርሾናዊ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት የሒኤላውን ነበሩ። ደቂ የሒኤላውያን፡ ዜታምን ሓው ዮኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ነበሩ። ካብ ኣምራማውያን፡ ካብ ዪጽሃራውያን፡ ካብ ሔብሮናውያን፡ ካብ ዑዚኤላውያንስ፡ ሸቡኤል፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሹም ነበረ። እቶም ካብ ኤሊዓዘር ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ ወዲ፡ ይሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ። እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ እተቐደሰ ነገር መዛግብቲ ነበሩ፡ ማለት እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ሓላቑ ሰራዊትን ዝቐደስዎ ነገር። ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎ ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ቀዲሶምዎ ነበሩ። ድማ ዂሉ እቲ ሳሙኤል ረኣይን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብሄር ወዲ ኔርን ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ዝቐደስዎ፡ ማንም ዝቐደሶ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሸሎሞትን ኣሕዋቱን ነበረ። ኣብ ዪጽሃራውያን፡ ከናንያን ደቁን ኣብ ግዳማዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹማምትን ፈረድትን ነበሩ። ካብ ሔብሮናውያን፡ ሓሻብያን ኣሕዋቱን ሃበርም ሰብኡት፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንመጋብነት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ኲሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመዘዙ። ካብ ሔብሮናውያን፡ የሪያ ነቶም ሔብሮናውያን ከም ወለዶ ማይ ቤት ኣቦታት ዋናኦም ነበረ። ንግዝኣት ዳዊትስ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኦም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኦም ኣብ ያዕዜር ኣብ ጊልዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ። ኣሕዋቱ ድማ ክልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ሃበርም ሰብኡት፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ምናሴን ኣብ ኲሉ ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሸሞም። ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቊጽሮም፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን፡ እቶም በቲ ናይ ክፍልታት ኲሉ ነገር ንንጉስ ዜገልግሉ መኳንንቶምን፡ ንሳቶም ብዅለን ወርሓትን ዓመት ኣብ ወወርሒ ይኣትውን ይወጹን ነበሩ፡ ናይ ሐሓደ ኽፍሊ ዔዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ያሾብዓም ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። ንሱ ኻብ ደቂ ፌሬስ ነበረ፡ ንዂሎም እቶም ሓላቑ ናይቲ ሰራዊት ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ንሱ ሓለቓኦም ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይ ካልኣይቲ ወርሒ ድማ ዶዳይ እቲ ኣሖሓዊ ምስ ክፍሉ። ሚቅሎት ሹም ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ በቲ ሳልሰይቲ ወርሒ ራእሲ ዀይኑ ዜገልግል ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት በናያ ወዲ እቲ ኻህን የሆያዳ እዩ፡ እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እዚ በናያ እዚ እቲ ጅግና ኻብቶም ሰላሳ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳ ዝነበሩ እዩ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ። እቲ ራብዓይ ናይ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ነበረ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ዘባድያ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ሓምሳይ ሐለቓ፡ ናይ ሓምሳይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራንት ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ሳድሳይ ናይ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቀሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ሳብዓይ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ሳምናይ ናይ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ፡ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ታስዓይ ናይ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢዔዘር፡ እቲ ዓናቶታዊ ኻብ ብንያማውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ ዓስራይ ናይ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሓራይ፡ እቲ ነጦፍታዊ ካብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ ዜገልግል፡ በናያ፡ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ፡ ናይ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ሔልዳይ፡ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ መስፍን ካብ ሮቤላውያን ኤሊዔዘር ወዲ ዚክሪ ነበረ። ካብ ስምኦናውያን ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ። ካብ ሌዋውያን ሓሻብያ፡ ወዲ ቄሙኤል፡ ካብ ኣሮን ጻዶቅ። ካብ ይሁዳ ኤሊሁ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፡ ካብ ይሳኮር ዖምሪ ወዲ ሚካኤል። ካ ዛብሎን ዪሽማዕያ ወዲ ዖባዲያ፡ ካብ ንፍታሌም የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል። ካብ ደቂ ኤፍሬም ሆሼዓ ወዲ ኣዛዝያ፡ ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ዮኤል ወዲ ጴዳያ። ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ ኢዶ ወዲ ዘካርያስ፡ ካብ ብንያም ይዓሲኤል ወዲ ኣብሄር። ካብ ዳን ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም። እዚኣቶም ሓላቑ ነገዳት እስራኤል ነበሩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዜብዝሖም ኢሉ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዘበሉ ኣይቈጸሮምን። ዮኣብ ወዲ ጽሩያስ ኪቘጽር ጀሚሩ ነበረ፡ ግናኸ ኣይወድኦን። ብሰሪ እዚ ድማ ናብ ልዕሊ እስራኤል መዓት መጸ። እቲ ቚጽሪ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይተጻሕፈን ። ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ ከኣ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ግራሁን ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን ኣብ እምባታትን ዝነበረ ጥሪት ድማ ዮናታን ወዲ ዑዚያ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ኺሐርሱ፡ ኣብቲ ናይ ግራት ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩ ኸኣ ዔዝሪ ወዲ ኬሉብ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መዓካን ወይኒ ዚኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ኣውልዕን ኣብ ጐልጐል ዝነበረ ሰጋሉን ድማ በዓልሓናን እቲ ግደራዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ዘይቲ ኸኣ ዮዓሽ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን ዚጓሰያ ኸብቲ ድማ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸብቲውን ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ከኣ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ድማ የሕደያ እቲ ሜሮናታዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣባጊዕ ከኣ ያዚዝ እቲ ሃገራዊ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ሃብቲ ነበሩ። ዮናታን፡ ሓው ኣቦኡ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፡ ንሱ ኣስተውዓሊ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፡ የሒኤል ወዲ ሓቅሞኒ ኸኣ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ። ኣሒቶፌል ድማ መኻሪ ንጉስ ነበረ፡ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ኸኣ ዓርኪ ንጉስ ነበረ። ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ የሆያዳ ወዲ በናያን ኣብያታርን ነበሩ። ዮኣብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል፡ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ሓላቑ እቶም ንንጉስ ዜገልግሉ ኽፍልታትን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን ኲሉ ገንዘቡን ከብትን ምስቶም መኳንንትን ጀጋኑን፡ ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም። ሽዑ ንጉስ ዳዊት በእጋሩ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፡ ስምዑኑ፡ ኣነ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ነታ ድኳ እግሪ ኣምላኽናን ቤት ዕረፍቲ ኽሰርሕ ኣብ ልበይ ነበረኒ፡ ንምስራሕ ዚኸውን ከኣ ኣዳሎኹ። ኣምላኽ ግና፡ ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይትሰርሓሉን ኢኻ፡ በለኒ። ግናኸ ንይኑዳ መስፍን ኪኸውን ሐረዮ፡ ኣብ ቤት ይሁዳውን ቤት ኣቦይ፡ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ኣቦይ ከኣ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኬንግሱኒ ብሂጉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ብዘላ ቤት ኣቦይ ሐረየኒ። ካብ ኲሎም ደቀይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ ሐረዮ። በለኒ ድማ፡ ወድኻ ሰሎሞን፡ ንእኡ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነውን ኣቦኡ ክዀኖ ሐርየዮ እየ እሞ፡ ንሱ ቤተይን ኣጸዳተይን ኪሰርሕ እዩ። ንሱ ኸምቲ ሎሚ ዘሎ ንትእዛዛተይን ፍርድታተይን ንምግባሩ እንተ ጸንዔ ኸኣ፡ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓ እየ። ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል እዛ ማሕበር እግዚኣብሄር እናሰምዖ፡ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትወርስዋ፡ ንደቅኹምውን ድሕሬኹም ንዘለኣለም ከተረስትይዎም፡ ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሐልውዎን ድለይዎን። ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዂሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ። ሕጂስ ተመልከት፡ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሐርዩካ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ስራሕን። ዳዊት ድማ ምስሊ ገበላ መቕደስን ኣባይቱን መዛግቡቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ነቲ ናይ መኽደን መተዓረቒ ቦታን ንወዱ ሰሎሞን ሀቦ። ናይቲ ብመንፈስ ዝነበሮ ዂሉ፡ ናይ ኣጸዳት ቤት እግዚኣብሄርን ናይተን ብዙርያ ዚዀና ዂለን እቃቤታትን ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ምስሊ ድማ ሀቦ። ቀጺሉ ኸኣ ናይ ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኲሉ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ሚዛን ወርቂ ናይ ኣቓሑ ወርቂ፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ዂሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ብሩር፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ ሚዛን ድማ ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚታት ቀንዲልን ናይ ወርቂ ቕልዒታቱን፡ ሚዛን ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን፡ ሚዛን ከኣ ነቲ ናይ ብሩር ቀዋሚታት ቀነዲል፡ ከከም ምግልጋል እቲ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን ሚዛን ሀቦ። ድማ ነቲ ሰደቓታት እንጌራ ምርኣይ፡ ነንሰደቓ ዚኸውን ወርቂ ብሚዛን፡ ንሰደቓታት ብሩር ከኣ ብሩር ሀቦ። ድማ ንሻኳታትን ጭሔሎታትን ኲስኲስትታትን ዚኸውን ጽሩይ ወርቂ፡ ንናይ ወርቂ ጽዋኣትውን ነንጽዋእ ብሚዛን፡ ንናይ ብሩር ጽዋኣት ከኣ ነንጽዋእ ብሚዛን ሀቦ። ነቲ መሰውኢ ዕጣን ዚኸውን እተዀልዔ ወርቂ ድማ ብሚዛን፡ ንምስሊ እቲ ሰረገላውን፡ ማለት እቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚኸድኑ ኪሩቤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚኸድኑ ኪሩቤል ወርቂ፡ ሀቦ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ብጽሕፈት ካብ ኢዱ ንኣይ ናይ እዚ ምስሊ ስራሕ ኲሉ ኸም ዘስተውዕሎ ገበረኒ፡ በለ። ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ኲሉ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ንሱ ኣይኪጠልመካን ኣይኪሐድገካን ከካ እዩ። እቶም ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዚዀኑ ኽፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ድማ እነው። ኣብ ኲሉ ስራሕውን ንዝዀነ ዘበለ ዓይነት ዕዮ ፍቶትን ጥበብን ዘለዎም ሰባት ምሳኻ ዚዀኑ፡ እቶም ሓላቑን ብዘሎ እቲ ህዝብን ድማ ንዂሉ ትእዛዝካ ድልዋት እዮም። ንጉስ ዳዊት ድማ ንብዘላ ማሕበር በላ፡ ወደይ ሰሎሞን፡ ኣምላኽ ንእኡ በይኑ ዝሐረዮ፡ ገና ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እቲ ዕዮ ግና ዓብዪ እዩ፡ እዚ ኣዳራሽ እዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን። ኣነ ኸኣ ብዂሉ ሓይለይ ንቤት ኣምላኸይ ዚኸውን፡ ንናይ ወርቂ ነገር፡ ወርቂ፡ ንናይ ብሩር ነገር ከኣ ብሩር፡ ንናይ ኣስራዚ ነገር ድማ ኣስራዚ፡ ንናይ ሓጺን ነገር ከኣ ሓጺን፡ ንናይ ዕጨይቲ ነገርውን ዕጨይቲ፡ ኣዕናቚ እምንን ዚሳናቐር እምንን ጸሊም ዜንጸባርቕ እምንን፡ እተቐርጸ እምንን ኲሉ ዓይነት ክቡር እምንን እምነ በረድን ኣብዚሔ ኣዳሎኹ። ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ቅድስቲ ቤት ኢለ ዘዳሎኽዎ ዂሉ ድማ፡ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ፡ ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣሎኹ፡ ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ ኻብ ወርቂ ኦፊር፡ ሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተዀልዔ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ፡ ወርቂ ንዜድሊ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዜድሊ ድማ ካብ ብሩር፡ ኤረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዂሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣሎኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን ኣሎ ሽዑ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሀቡ። ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቅን ዓሰርተ ሽሕ ዳሪክን ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ተለንት ኣስራዝን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ሓጺንን ሀቡ። እቲ ኽቡር ኣእማን እንረኽቦ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ የሒኤል እቲ ጌርሾናዊ፡ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሀቡዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሰ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን። ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽብር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና። ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ። ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ናይ ህዝብኻ እማመ ሓሳባት ልቦም ንዘለኣለም ሐሉ፡ ልቦም ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ። ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሕጋጋትካን ኪሕሉ፡ ንዂሉ ድማ ኪገብሮ፡ ነዚ ንእኡ ኢለ ዘዳልዎ ዘሎኹ ኣዳራሽውን ኪሰርሕ ፍጹም ልቢ ሀቦ። ዳዊት ድማ ንብዘሎ ማሕበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኽዎ፡ በለ። ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታቱ ባረኸ፡ ድንን ድማ በሉ፡ ንእግዚኣብሄር ንንጉስን ከኣ ሰገዱ። ነዛ መዓልቲ እዚኣስ ብጽባሒታ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዕረጉሉ፡ ሽሕ ብዕራይ፡ ሽሕ ድዑል፡ ሽሕ ገንሸል፡ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፡ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዂሉ እስራኤል ሰውኡ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩን። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ንእኡ መስፍን ንእግዚኣብሄር ኪኸውን ንጻዶቅውን ካህን ኪኸውን ቀብእዎም። ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ ሰለጦውን፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ። ኲሎም ሓላቑን ጀጋኑን ኲሎም ደቂ ንጉስ ዳዊትን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ተገዝኡ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ፡ ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሀቦ። ዳዊት ወዲ እሴይ ግና ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ነጊሱ ነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝኣሉ ዘመን ከኣ ኣርብዓ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሔብሮን ሾብዓተ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላስን ሰለስተን ዓመት ገዝኤ። ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ ኸኣ ብጽቡቕ ሽምግልና ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ። እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራት፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም ኣለው። ምስ ብዘሎ ምግዛኡን መንፍዓቱን እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንናይ ኲለን ሃገራት መንግስትታትን ዝበጽሖም ኲነታትን ተጽሒሩ ኣሎ። ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣብ መንግስቱ ጸንዔ። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ ልዕል ኣቢሉ ኸኣ ኣዕበዮ። ሰሎሞን ድማ ንብዘሎ እስራኤል፡ ንሓላቑ ሽሕን ሚእትን ንፈረድትን ንዂሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ተዛረቦም። እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ዝገበሮ ናይ ኣምላኽ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ሰሎሞን፡ ብዘሎ ማሕበር ከኣ ምስኡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ በሪኽ ከዱ። ግናኸ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የረዓም ናብታ ንሱ ዘዳለወትሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ። እቲ በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ዝገበሮ መሰውኢ ኣስራዚ ግና ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ነበረ። ሰሎሞንን እታ ማሕበርን ከኣ ኣብኡ ይጥይቑ ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ኣብ ልዕሊኡ ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎ። ሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ። ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእሻቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ፡ ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ ኣሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሰሎሞን ድማ ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ ናብ የሩሳሌም መጸ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ገዝኤ። ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን አከበ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ንጉስ ኣቐመጦም። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ወርቅን ብሩርን ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ። እቶም ንሰሎሞን ዝነበርዎ ኣፍራስ ከኣ ካብ ግብጺ እዮም ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ ናይ ንጉስ ነጋዶ ብጒዕዞታት፡ ነንጒዕዞ ብዋጋኡ፡ ተቐበልዎም። ሰሰረገላ ብሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር፡ ፈፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን ዐዲጎም፡ ካብ ግብጺ ኣምጽኡ፡ ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገሰታት ሶርያን የውጽኡሎም ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ንስም እግዚኣብሄር ቤት፡ ንመንግስቱ ኸኣ ቤት ኪሰርሕ ሐሰበ። ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ጾር ዚጾሩ ሰብ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰብውን ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ነዚኣቶም ዚሕልዉ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ቈጸረ። ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ፡ ልኢኹ በሎ። ከምቲ ነቦይ ዳዊት፡ ንሱ ዚነብረላ ቤት ኪሰርሕስ፡ ኣእዋም ቄድሮስ ብምስዳድካ ዝገበርካሉ፡ ንኣይ ከኣ ከምኡ ግበረለይ። እንሆ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቕድሰሉ ቤት ክሰርሕ እየ፡ ኣብኣ ኣብ ቅድሚእች ጥዑም ዝጨናኣ ዕጣን ኪዐጥኑ፡ እንጌራ ምርኣይውን ኲሉ ጊዜ ኺሰርዑ፡ ንግሆን ምሸትን በብሰናብትን ሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከኣ ዚሐርር ምስዋእቲ ኼዕርጉ። እዚ ንእስራኤል ንሓዋሩ ተሓጊጉሎም እዩ። ኣምላኽና ድማ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዚዐቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ኽሰርሓ ኢለ ዘሎኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ። ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይአኽሎን እዩ እሞ፡ ቤት ኪሰርሓሉ ዚኽእል መን ኣሎ፡ ኣነኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዐጥነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሐሉ መን እየ፡ ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሰማያውን ኪዐዪ ጥበብ ዘለዎ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኰይኑ፡ ኲሉ ዓይነት ቅርጺ ምቕራጽ ዚፈልጥ ሰብ ስደደለይ። ገላዉኻ ምቚራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዜስተውዕሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም። እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ከኣ ዓባይን ግርምትን ክትከውን እያ እሞ፡ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ። እንሆ ኸኣ፡ ንገላዉኻ፡ እቶም ኣእዋም ዚቘርጹ፡ ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ክዩድ ስርናይን ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ዕስራ ሽሕ ባት ወይንን ዕስራ ሽሕ ባት ዘይትን እህብ። ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሉ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፡ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገበረካ። ሑራም ድማ ቀጺሉ በለ፡ ንእግዚኣብሄር እትኸውን ቤትን ንርእሱ እትኸውን ቤተ መንግስትን ዚሰርሕ፡ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ዝሀቦ፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ሕጂ ድማ ሑራም ኣቢ ዚበሀል ብልህን ኣስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣሎኹ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ ድማ ምቕራጽ ዚፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ኪሐስብ ዚኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሀቦ። እምበኣርሲ ሕጂ፡ እቲ ጐይታይ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንባሮቱ ይስደደሎም። ንሕና ኸኣ ኣብ ሊባኖስ ከም ዜድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፡ ብባሕሪ እናሰፈፍናውን ናብ ያፎ ነብጽሓልካ፡ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ። ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ዂሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐጸሮም ምቚጻር ኰነ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ። ካባታቶም ከኣ ሰብዓ ሽሕ ዚጾሩ፡ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነቲ ህዝቢ ዜዕይይዎ ሓለውቲ ኸኣ ገበረ። ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ከረን ሞሪያ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ፡ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሕ ጀመረ። ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብኻልአይቲ መዓልቲ ኺሰርሕ ጀመረ። ሰሎሞን ንምስራሕ እታ ቤት ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ እዚ እዩ፡ ምንዋሑ በቲ ናይ ቀደም መለክዒ ስሳ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት። እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡ ምንዋሑ ከም መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ማእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ። ነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ። ነታ ቤት ኪስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ። ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ። ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ገበረ፡ ምንዋሓ፡ ከም ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ምግፋሓ ድማ ዕስራ እመት ነበረ፡ ብሽዱሽተ ሚእቲ ታለንት ዚአክል ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ። ሚዛን ሽንካራትውን ሓምሳ ሲቃል ወርቂ ነበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረ፡ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት። ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት። ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሔን ነበራ። በእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ። ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፡ ኪሩቤል ከኣ ገበረሉ። ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ድማ፡ ሰሰላሳን ሓሙሽተን እመት ዝቚመቱ፡ ክልተ ዓንዲ ገበረ፡ እቲ ኣብ ረርእሶም ዝነበረ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ኣብታ ቤት ራእይ ድማ ሰንሰለታት ገይሩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበረን። ሚእቲ ሮማን ገይሩ ኸኣ ኣብተን ሰንሰለታት ኣእተወን። ነቶም ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን ሓደ ኸኣ ብጸጋም ኣቘምዎ፡ ስም እቲ የማናይ ያቂን፡ ስም እቲ ጸጋማይውን ቦዓዝ ኢሉ ኣውጽኣሎም። መሰውኢ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፡ ምብራኹውን ዓሰርተ እመት። ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱውን ሓሙሽተ እመት ነበረ። ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍራ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ። ብታሕቲ ኸኣ ብዘሎ ዙርያኡ፡ ነቲ ባሕሪ ብዘሎ ዙርያኡ ዝኸበብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፡ በብእመት ዓሰርተ። እቶም ኣብዑር ኣብ ክልተ መስርዕ ኰይኖም፡ ምስቲ ባሕሪ ብሓንሳእ ዝፈሰሱ እዮም። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንደቡብ ገጾም፡ እቶም ሰለስተ ኸኣ ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። ምርጓዱ ድማ ስድሪ ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ወሰን ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ሰለስተ ሽሕ ባት ኣእትዩ ይሕዝ ነበረ። ብእኡ ምእንቲ ኪሐጽቡ ድማ፡ ዓሰርተ ገበራ ሰርሔ፡ ሓሙሽተ ኣብ የማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ኣብ ጸጋም ኣንበረ። ነቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ነገር ኣብኡ ይሐጽቡ ነበሩ። እቲ ባሕሪ ግና እቶም ካህናት ዚሕጸቡሉ ዝነበረ እዩ። ድማ ካብ ወርቂ ነቲ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ ብዛዕባኡ እተአዘዘ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣንበሮም። ዓሰርተ ሰደቓ ድማ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣቘሞ። ማእቲ ጭሔሎ ወርቂውን ገበረ። ድማ ነቲ ኣጸድ ካህናትን ነቲ ገፊሕ ኣጸድን ነቲ ኣጸድ ከኣ መዓጹን ገበረ፡ ነቲ መዓጹኦምውን በስራዚ ለበጦ። ነቲ ባሕሪ ድማ ንምብራቕ ደቡብ ብዜብል የማናይ ወገን እቲ ቤት ኣንበሮ። ሑራም ከኣ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ገበረ። ሑራም ድማ ነቲ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ዕዮ ፈጸሞ። ነቲ ኽልተ ዓንድን ነቲ ጒልላትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ኽልተ ኸበብትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ከበብቲ ጒልላት ዚኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን ናይ ክልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዕኑድ ዝነበረ ኸበብቲ፡ ነቲ ጒልላቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ክልተ መስርዕ ሮማን፡ ነቲ መቐመጥታት ከኣ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጥታውን ነቲ ገበራታት ገበሮ። ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን፡ ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ሸኳታትን ንዂሉ ኣቓሑኡን ድማ ሑራም ኣቢ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ካብ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ገበሮ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጐ ሱኰትን ጻሬዳን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኺምርመር ክሳዕ ዘይከኣል፡ ሰሎሞን ንዂሉ እዚ ኣቓሑ እዚ ኣዝዩ ኣብዝሖ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝነበረ ዂሉ ኣቓሑ፡ ነቲ ናይ ወርቂ መሰውእን ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚነበሮ ሰደቓታትን ገበሮ። ከም ስርዓቱ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኪበርሃስ፡ ነተን ካብ ጽሩይ ወርቂ እተገብራ ቐወምቲ ቐነዲል መምስ ቀንዴለን። ናይ ወርቂ፡ ንሱ ኸኣ ፍጹም ወርቂ፡ ዕምባባታትን ቀልዒ ቐነዲልን መሳቐዪታትን፡ ናይ ጽሩይ ወርቂ ኻራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ ገበረ። ብዛዕባ ደገ እቲ ቤት ከኣ፡ ናይቲ ውሽጣዊኡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን ናይ ቤተ መቕደስ መዓጹን ካብ ወርቂ ነበረ። በዚ ኸምዚ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዂሉ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ። ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ከደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም አከቦም። ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ተአከቡ። ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦታ ኣልዓልዎ። ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናት ሌዋውያን ኣደየብዎ። ንጉስ ሰሎሞን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ። እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስቲ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤልሲ ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ኪሩቤል ንታቦትን ንመሰላታቱን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ። ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድማ ቤት ራእይ ካብቲ ታቦት ክሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። ኣብቲ ታቦት ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ ዀነ። ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ብዘለዉ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ነነየናይ ክፍሊ ምዃኖም ከይጥምቱ ባዕሎም ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡ኣሳፍ፡ ሄማን፡ የዱቱን፡ ደቆምን ኣሕዋቶምን ከኣ፡ ክዳን ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ለቢሶም፡ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዚነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዘኣብሄር ደበና መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን። ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ከም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ፡ በለ። ኣነ ግና፡ ንስኻ እትቕመጦቤትን ንዘልኣለም እትነብረሉ ስፍራን ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ። ኣቦይ ዳዊት ከኣ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ ሐሲብካ እኔኻ፡ እዚ ብልብኻ ሰል ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ። ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይክትሰርሖን ኢኻ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሔ ኣሎኹ። ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዘለዋ ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣሎኹ። ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሔ። ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ። በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ የልቦን። እቲ ንባርያኻ። ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብሕገይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንባርያኻ ዳዊት እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን። ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይኽእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ፡ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህለላኡን ምለስ። ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ንስምካስ ኣብኣ ኸንብሮ እየ ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ እሞ፡ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዚጽልዮ ጸሎት ስማዕ። ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም ዚምህለልዎ ጸሎት ስምዓዮ፡ እወ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፡ ብዝሰማዕካውን ይቕረ በል። ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ እሞ፡ ማሕላ ምሐል፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት ኪምሕል እንተ መጸ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስምዓ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊኦ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትምለሶ፡ ቅጽዓዮ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ከም ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም። ህዝብኻ እስራኤል፡ ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ኣብ ቅድሚ ጻላኢ እንተ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ድማ ኣብዛ ቤት እዚኣ ብስምካ እንተ ተኣመኑ፡ ኣብ ቅድሜኻውን እንተ ጸለዩን እሻተ ተማህለሉን፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብዛ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም። ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ሰማይ እንተ ተዐጽወ እሞ እንተ ዘይዘነመ፡ ንስኻ ምስ ኣዋረድካዮም፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ብስምካውን እንተ ተኣመኑ፡ ካብ ሓጢኣቶም ድማ እንተ ተመልሱ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባሮትካን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነቲ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ። ጥሜት ኣብ ሃገር እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ መጸ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገር ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መጸ፡ ዝኾነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቊስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ። ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ። ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካን እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ፡ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰረሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡ። ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም፡ ንኣኻ እንተ ለሙኑ፡ ሽዑ ኻብ ሰማይ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍትሒ ኣውጽኣሎም። እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ብኣታቶም ኰሪኻ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢ ኣሕሊፍካ እሻተ ሀብካዮም እሞ ኣብ ርሑቕ ኰነ ወይ ኣብ ቀርባ ናብ ዘላ ሃገር ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡ ኣብታ ተማሪኾምላ ዘልዉ ሃገር ኰይኖም፡ ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጠኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፡ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎምን ከለዉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮ ዀይኖምስ፡ ገጾም ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዘሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ሽዑ ኻብ ሰማይ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ ጸሎቶም ምህልላኦምን ሰሚዕካ፡ ፍትሒ ኣውጽኣሎም፡ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ ሕደገሎም። ሕጂ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንተጸለየ ጸሎትስ ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካውን ይስምዕኦ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ናብ መዕረፊኻ ተንስእ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካህናትካ ምድሓን ይልበሱ፡ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሐጐሱ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንገጽ ቅቡእካ ንድሕሪት ኣይትምለሶ፡ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ምሕረት ዘክሮ። ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድኤ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ፡ ነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኣ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትዉ ኣይከኣሉን። ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፡ ኣብታ ብእምነ እተራዕርዔት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፡ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንሱ ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር፡ ኢሎም ኣመስገንዎ። እቲ ንጉስን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። በዚ ኸኣ እቲ ንጉስን ኲሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት ኣምላኽ ቀደስዋ። እቶም ካህናት ድማ በብኣገልግሎቶም ቈይሞን ነበሩ፡ ሌዋውያንውን እቲ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኪምስገነሉ ኢሉ ዝገበሮ መሳርያ ሙዚክ እግዚኣብሄር ሒዞም ነበሩ፡ ዳዊት ድማ ብኣታቶም የመስግን ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታትን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብቲ ማእከላይ ኣጸድ ስለ ዝሰውኦ፡ ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ። በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እተእቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ። ምቕዳስ እቲ መሰውኢ ብሾብዓተ መዓልቲ፡ እቲ በዓል ከኣ በሾብዓተ መዓልቲ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ዓብዪ በዓል ገበሩ። በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ ድንኳውንቶም ሰደደኦም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ። እምብኣርስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ፈጸመ፡ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤቱን ኪገብር ንሰሎምን ናብ ልቡ ዝመጾ ዂሉ ኸኣ ሰለጦ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሐርየያ ኣሎኹ። ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡ እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ። ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ። ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምተ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣንካን እሮኡ፡ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ እየ። ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሐደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣምልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን፡ ሽዑ ኻብዛ ዝሀብክዎም ምድረይ ክምንቊሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ። ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እዚኣ ዚሐልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኺድነቕ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ኪምዚ ዝገበረን ኪብል እዩ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎ፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸኣ ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘምለኽዎምን፡ ስለዚ ነዚ ዂሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሌኦም ኣምጽኤ። ኰነ ድማ፡ እተን ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት ምስ ተወድኣ፡ ሰሎሞን ነተን ሑራም ንሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ሰርሔን፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኤን ኣቐመጦም። ሰሎሞን ከኣ ናብ ሓማት ጾባ ኸይዱ ንእኣ በርትዓ። ኣብ በረኻ ድማ ንታድሞር ሰርሓ፡ ንዂለን እተን ኣብ ሓማት እተሀንጻ ኸተማታት መዛግብቲውን ሰርሔን። ንቤት ሖሮን ላዕላይን ንቤት ሖሮን ታሕታይን ከኣ መካበብያታትን መዓጹን መሓርሃሪታትን ዘለወን እተዐርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሔን። ንበዓላትን ንሰሎሞን ዝነበራኦ ዂለን ከተማታት መዛግብትን ኲለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን ኲለን እተን ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሊባኖስን ኣብ ብዘላ ሃገር ግዝኣቱን ከም ባህጉ ኺሰርሕ ኢሉ ዝደለዮ ገይሩ ሰርሔን። እቶም ካብ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይብሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብቶም ብድሕሪኦምሲ እቶም ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ግዙኣት ገበሮም። ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን ኣብቲ ዕዮኡ ኣገልገልቲ ኣይገበረን፡ ንሳቶምሲ ተዋጋእትን ሹማምቲ ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደኣ ነበሩ። እዚኣቶም ድማ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ሓላቑ ዋናታት፡ ነቲ ህዝቢ ዚእዝዙ፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። ሰሎሞን ድማ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብኤን ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታታት ኰይነን እየን እሞ፡ ሰበይተይ ኣብኣ ኣይክትነብርን እያ፡ ስለ ዝበለ፡ንጓል ፈርኦን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሰርሓላ ቤት ኣደየባ። ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንምአዓልቲ ዚግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ። ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንምአዓልቲ ዚግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ። ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናት ናብ ኣገልግሎቶም፡ ንሌዋውያንውን በብመዓልቲ ኸም ዚግባእ ኬመስግኑን ኣብ ቅድሚ ኻህናት ኬገልግሉን ኣመዘዞም፡ ነቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ከም ክፍልታቶም ኣብ ደደገ ኺሕልዉ ኣቘሞም፡ እዚ ኸኣ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምኡ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። ብዛዕባ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብናይ ዝዀነ ነገር ወይ ብናይ መንግስቲ ኻብ ትእዛዝ ንጉስ ኣየግለሱን። ከምዚ ኢሉ ዂሉ እቲ ዕዮ ሰሎሞን ክሳዕ እታ መዓልቲ ምስራት ቤት እግዚኣብሄርን ክሳዕ ምፍጻማን ተዳለወ። እታ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተፈጸመት። ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ናብ ዘለዋ ዔጽዮን ጋበርን ናብ ኤሎትን ከደ። ሑራም ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ባሕሪ ዚፈልጡ ገላዉን ሰደደሉ፡ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ድማ ናብ ኦፊር ከዱ፡ ካብኡ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ። ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ምስ ሰምዔት፡ ንሰሎሞን ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ፡ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞን ቀመማትን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝጾራ ኣግማል ሒዛ ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ። ሰሎሞን ከኣ ነቲ ዝጠየቐቶ ዂሉ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ሰሎሞን እተሰወረ ነገር ከኣ ኣይነበረን። ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ። ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ። ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዚርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባኦም ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ነዚ ዕቤት ጥበብካስ ፈረቓኡ እኳ ኣይነገሩንን፡ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢካ። እቶም ሰብካ ብጹኣት እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎምስ ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ድማ ብጹኣን እዮም። እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጉስ ክትከውን ኣብ ዝፈኣኑ ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘላለም ኬቚሞ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክትከውን ሸመካ። ንስ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ኣእማንን ሀበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን። እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሑራምን ገላዉ ሰሎሞንን፡ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡር ኣእማንን ከኣ የምጽኡ ነበሩ። ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መደያይቦ፡ ንመዘምራን ዚኸውን ከኣ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለስ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድም ኣይተራእየን። ብዘይ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ኣምጺኣቶ ዝነበረት፡ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ሽዑ ንሳ ተመሊሳ፡ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት። ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ። ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰንሔ፡ ነንሓድ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ቅጥቁጥ ወርቂ ወድኤ። ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ድማ ሰርሔ። ነንሓደ ዋልታ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ። ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ። እቲ ዝፋን ከኣ ሹድሽተ መደያይቦ ምስ ሓደ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ምስቲ ዝፋን እተለገበ ነበሮ፡ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ ብዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን። ናይ ንጉስ ሰሎሞን መሳተያ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑውን ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ብዘመን ሰሎሞንሲ ብሩር ከም ቁም ነገር ኣይቊጸርን ነበረ። ንጉስሲ ምስ ገላዉ ሑራም ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተጽዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብሃብትን ጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ። ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበብ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ኪመጹ ይደልዮ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ነፍሲ ወከፎም ገጸ በረኸቱ፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ። ሰሎሞን ድማ ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ነዚኣቶም ከኣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ኣቐመጦም። ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ካብቲ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ይገዝእ ነበረ። እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳጋል ዝምብዛሑ ገበሮ። ኣፍራስ ድማ ንሰሎሞን ካብ ግብጽን ካብ ኲለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣሒያ እቲ ሺሎናውን ኣብ ራእይ የዕዶ ብናይ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝረኣዮዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ። ብዘለዉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግስዎ ናብ ሴኬም መጺኦም ነበሩ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ። ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ካብ ግብጺ ተመልሰ። ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኸደ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ ኢሉ ተማኸረ። ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ህያው እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ትልውሃሎም ድማ፡ ጽቡቕ ቃላትውን እንተ ተዛአብካዮም፡ ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀውኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ። እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ምኽሩ ተማኽሩኒ በሎም። እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ነዞም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፡ ንስኻ ግና ኣቕልለልና። ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ ኸምዚ በሎም፡ እዛ ንእሽቶይ ኣጸብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትገርጕድ። ሕጂ ድማ ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ። ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ንጉስ ሮብዓምሲ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሐደጎ። ከምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ከኣ፡ ኣቦይ ነቲ ኣርዑትኩም ኣኽበዶ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኽውስኽ እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሸሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊትከ እንታይ ክፍሊ ኣሎና ኣብ ወዲ እሰኢይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳንካ ተመለስ፡ ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ናብ ድንኳናቱ ኸደ። ሮብዓምግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ሃዶራም ሰደዶ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮቦኣም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ የሩሳሌም ሀደመ። በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም ኣለዉ። ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ፡ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። ግንኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ መጸ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፡ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘሎ ዂሉ እስራኤልን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ኣይትደይቡን ምስ ኣሕዋትኩም ኣይትዋግኡን። ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ንየሮብዓም ኪወግኡ ኻብ ምኻድ ተመልሱ። ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ ኣብ ይሁዳ ዕርዲ ዚዀና ኸተማታት ከኣ ሰርሔ። ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን። ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን። ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን። ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን። ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን። ነቲ ዕርድታት ከኣ ኣጽንዖ፡ ምስለነታት ድማ ኣቐመጠሉ፡ መዛግብቲ እኽልን ዘይትን ወይንን ገበረሉ። ኣብ ኲለን ከተማታት ከኣ በብኸተማ ዋላቱን ኲናውትን ኣቐመጠለን፡ ኣዝዩ ድማ ኣጽንዔን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ንእኡ ዀና። ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኲሉ ዶባቶም ናብኡ መጹ። እቶም ሌዋውያንሲ፡ ካህናት እግዚኣብሄር ኰይኖም ከየገልግሉ፡ የሮብዓምን ደቁን ስለ ዝሰጐጒዎም፡ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እናሐደጉ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከዱ። ንሱ ኸኣ ንርእሱ ነቲ በረኽትን ንኽፉኣት መናፍስትን ነቶም ዝገበሮም ምራኹትን ካህናት ኣቘመ። ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዝሀቡ ዘበሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ምእንቲ ኺስውኡሉ፡ ደድሕሪኦም ናብ የሩሳሌም መጹ። ነታ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣበርትዕዋ፡ ሰለስተ ዓመት በታ መገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩ እሞ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ሰለስተ ዓመት ኣጽንዕዎ። ሮብዓም ከኣ ንማሓላት፡ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ዓቢሓዮልን፡ ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ፡ ኣእተዋ። ንሳ ድማ ኣወዳት፡ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን፡ ወለደትሉ። ብድሕሪኣ ኸኣ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ኣእተዋ፡ ንሳ ድማ ኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ። ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ። ሮብዓም ከኣ ንኣበያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሐሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣሕዋቱ ሹም ኪኸውን ኣቘሞ። ብምስትውዓል ድማ ንዂሎም ኣወዳቱ ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኲለን ጽኑዓት ከተማታት ኣቐመጦም፡ ብዙሕ ምግቢውን ሀቦም። ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ደለየሎም። ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዔት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዔ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሐደጉ። ኰነ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝዐለውዎ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ናብ የሩሳሌም ደየበ። ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸ። ካብ ግብጺ ድማ ቊጽሪ ዜብሉ ህዝቢ፡ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ። ነተን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ። ነብዪ ሸማዕያ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺወቅ ሀዲሞም ናብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሓላቑ ይሁዳን መጺኡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩም ሐደግኩምኒ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺወቅ ሐደግኩኹም። ሽዑ እቶም ሓላቑ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሐቱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ርእሶም ከም ዘትሐቱ ብዝረኣየ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ መጸ፡ ርእሶም ኣትሒቶም እዮም እሞ፡ ኣነውን ኣይከጥፍኦምን እየ፡ ሒደት ምንጋፍ ደኣ ኸናግፎም እየ እምበር፡ ቊጥዓይሲ ኣብ የሩሳሌም ብኢድ ሺሻቅ ኣይከፍስሶን እየ። ግናኸ እቲ ንኣይ ምግዛእን ንነገስታት ሃገራት ምግዛእን ልዩነቱ ኺፈልጡስ፡ ገላዉኡ ኪዀኑ እዮም። ሺወቅ ንጉስ ግብጺ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ። ንጉስ ሮብዓም ግና ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ዘብዔኛታት ኣማዕቈበን። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር በብዝኣተወላ እዋን እቶም ዘብዔኛታት መጺኦም ይጾርወን ነበሩ፡ ናብቲ ኽፍሊ ቤት እቶም ዘብዔኛታት ድማ ይመልስወን ነበሩ። ርእሱ ስለ ዘትሐተ ኸኣ፡ ፈጺሙ ኸየጥፍኦስ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካብኡ ተመልሰ። ኣብ ይሁዳስ ጽቡቕ ነገር ድማ ነበረ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ እሞ፡ ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም በትዔ ገዝኤ ከኣ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግዚኣብሄር፡ ስሙ ኣብኣ ኼንብሮ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ ገዝኤ። ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ እትብሀል ዓሞናዊት እያ። ንሱ ድማ ንምድላው እግዚኣብሄር ልቡ ኣየቕንዔን እሞ፡ ክፉእ ገበረ። እቲ ግብርታት ሮብዓም ግና፡ እቶም ቀዳሞትን እቶም ዳሕሮትን፡ ንሱ ኣብታ ናይ ነብዪ ሸማዕያን ናይ ረኣዪ ዒዶን ዛንታዶ ኸምቲ ኣገባብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ። ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣቢያ ነገሰ። ንንጉስ የሮብዓም ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ኣቢያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ድማ ሚካያ እዩ፡ ንሳ ጓል ኡሪኤል ካብ ጊብዓ እያ። ኣብ መንጎ ኣቢያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ። ኣቢያ ድማ ሰራዊት ተዋጋእቲ ጀጋኑ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ሒዙ ንውግእ ተሰለፈ፡ የሮብዓም ከኣ ንእኡ ብሾብዓተ ሚእቲ ሽህ ሓያላት ጀጋኑ ዝነበሩ ሕሩያት ሰብ ኪዋጋእ ተሰለፈ። ኣቢያ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ዘላ ዂርባ ጸማራዪም ተንሲኡ በለ፡ ኣታ የሮብዓምን ብዘሎኹም እስራኤልን፡ ስምዑኒ፡ መንግስቲ እስራኤልስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንእኡን ንደቁን፡ ንዘለኣለም ብናይ ጨው ኪዳን ከም ዝሀቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ግና ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ሸፈተ። ምናምናት፡ ደቂ ብልያል ዝዀኑ ሰባት ድማ ናብኡ ተኣኪቦም ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ከኣ ገና ዘይበሰለ መንእሰይ ከሎ፡ ኪቃወሞም ኣይከኣለን። ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓብዪ ጭፍራ ዄንኩም ኢኹም፡ እቶም የሮብዓም ንኣኻትኩም ንኣማልኽቲ ዘግበሮም ናይ ወርቂ ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ። ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር፡ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን፡ ኣይሰጐጒኩምዎምንዶ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝብታት ከም ባዕላትኩምዶ ንርእስኹም ካናት ኣይገበርኩምን ንርእሱ ኪቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ ዘበለ፡ ነዞም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ካህኖም ይኸውን። ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሕናውን ኣይሐደግናዮን፡ ንእግዘኣብሄር ዜገልግሉ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮንን ኣብ ዕዮኦም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣለዉና። ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን ከኣ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእትን ጥዑም መኣዛንኡ ዕጣንን የሕርሩሉ ኣለዉ፡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓውን እንጌራ ምርኣይ ይሰርዑሉ፡ ምሸት ምሽት ኬብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዴል ምስ ቀልዒታቱ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናስ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይተሐሎ ዝበሎ ነገረ ንሕሉ ኣሎና፡ ንስኻትኩም ግና ሐዲግኩምዎ ኢኹም። እንሆ ኸኣ፡ ኣምላኽ ምሳና ኣብ ቅድሜና እዩ፡ እቶም ምሳኻትኩም ንምውጋእ ናብ ጭድርታ መለኸት ዚነፍሑ ኻህናቱ ኣለዉና። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓልኩምን እዩ እሞ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ። የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዚኣትዉ ድብቕ ኣዞረሎም እሞ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ነበሩ፡ እቲ ድብቕ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ። ይሁዳ ገጾም ምልስ ምስ ኣበሉ ድማ፡ እንሆ፡ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ነበሮም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ጨደሩ፡ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣውክዑ። ኰነ ድማ፡ በቲ ምውካዕ ሰብ ይሁዳ፡ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቢያን ይሁዳን ወቖዖም። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሀደሙ፡ ኣምላኽውን ኣብ ኢዶም ሀቦም። ኣቢያን ህዝቡን ድማ ዓብዪ ስዕረት ሰዐርዎም። ካብ እስራኤል ከኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ስዑራት ወደቑ። ከምኡ እቶም ደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ እቲ ተዋረዱ፡ እቶም ደቂ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ተኣሚኖም እዮም እሞ፡ እናበርትዑ ኸዱ። ኣቢያ ድማ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ከተማታትውን፡ ቤት ኤል ምስ ኣቚሻታን የሳና ምስ ኣቚሻታን ዔፍሮን ምስ ኣቚሻታን፡ ወሰደሉ። የሮብዓም፡ ኣቢያ ኽሳዕ ዘሎ፡መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። እግዚኣብሄር ድማ ቀዘፎ፡ ሞተ ኸኣ። ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያ ግብርታትን መገድታቱን ዘረባታቱን ከኣ ኣብ ትርጓሜ ነብዪ ኢዶ ተጽሒፉ ኣሎ። ኣቢያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። በቲ ዘመኑ እታ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ዐርፈት። ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ። ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈራረጾ። ንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን ኣዘዞም። ነቲ በረኽትን ምስልታት ጸሓይን ከኣ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ወገደ፡ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ህድእቲ ነበረት። እታ ሃገር ህድእቲ ስለ ዝነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዕረፍቲ ስለ ዝሀቦ፡ በተን ዓመታት እቲኤን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሔ። ንይሁዳ በሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስ፡ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚኤን ንስርሓየን ብመንደቓትን ግምብታትን መዓጹን መሃርሃርን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ። ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ። ኣሳ ኸኣ ዋላቱን ኲናውትን ዚጾሩ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፡ ካብ ብንያምውን ዋላቱ ዚጾሩን ፍላጻ ዚውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ነበርዎ። እዚኣቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኺዋግኦም ወጸ። ናብ ማረሻ ኸኣ መጸ። ኣሳውን ኪገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉ። ኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጻጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮም፡ ኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙ። ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዜምልጥ ክሳዕ ዚሰኣኖም ወደቑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ። ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዐርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወን። ድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ። ንዓዛርያ ወዲ ዖዴድ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጾ። ኣብ ቅድሚ ኣሳ ወጺኡ ድማ በሎ፡ ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ፡ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እሻተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ከኣ ኪሐድገኩም እዩ። እስራኤልስ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ። ብጸበባኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ይርከበሎም ነበረ። ኣብተን ሃገራት እቲኤን ንዚቕመጡ ዝነበሩ ዂሎም ብዙሕ ዕግርግር ነበረ እሞ፡ በተን ግዝያት እቲኤን ንዚመጽእ ኰነ ንዚኣቱ ሰላም ኣይነበረን። ኣምላኽ ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጸበባ የዕገርግሮም ነበረ እሞ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ከተማ ምስ ከተማ ንሓድሕዶም ተሳባበሩ። ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ። ኣሳ ድማ እዚ ቓላት እዝን ናይቲ ነብዪ ዖዴድ ትንቢትን ምስ ሰምዔ፡ ተብዔ እሞ ካብ ኲላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ከረን ኤፍሬም ዝሐዘን ከተማታትን ጽያፍ ዘበለ ወገደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከኣ ኣሐደሶ። ድማ ንብዘለዉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መጺኦም ምሳታቶም ዚነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ተጸግዑ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ ሾብዓተ ሚእቲ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ። ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት። ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ። ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘላ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሐጐሰት፡ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ደለይዎ፡ ንሱውን ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም። ንማዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ድማ ናይ ኣስታርተ ጽዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡ ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ኸኣ ነቲ ምስሊ ቘሪጹን ጨፍሊቑን ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ። እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን። ግናኸ ልቢ ኣሳ ምሉእ ዘመኑ ፍጹም ነበረ። ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ከኣ ናብ ቤት ኣምላኽ ኣእተዎ። ክሳዕ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን። ንመንግስቲ ኣሳ ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ ባዔወ ንጉስ እስራኤል ናብ ይሁዳ ደዪቡ፡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ገለ ኸይወጽእን ከይኣቱን ምእንቲ ኪኽልክል፡ ንራማ ሰርሓ። ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዛአብሄርን ቤት ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ ነተ ኣብ ደማስቆ ዚነብር ዝነበረ ቤት ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸምዚ ኢሉ ሰደደሉ፡ ኣብ መንቶ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ኪድ ነቲ ምስ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ። ቤን ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ሓላቑ ሰራዊቱ ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ፡ ንዕዮንን ንዳንን ንኣቤል ማይምን ንዂለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ሰዐረን። ኰነ ኸኣ፡ በዔወ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስርሓ ሐደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ። ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንብዘላ ይሁዳ ወሲዱ ነቲ ባዔሽ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ራማ ኣእማንን ኣዕጫውን ኣልዐሎ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን ንሚጽጳን ሰርሔን። በቲ ጊዜ እቲኣ ሃናነ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ በሎ፡ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ እተመርኰስካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽክ ግና ስለ ዘይተመርኰስካ። ስለዚ እቲ ሰርዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ መለቘ። ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላትትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሀበካ። ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ። በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪለዐለካ እዩ። በዚ ነገር እዚ ግና ኣሳ ተናደደ እሞ ነቲ ረኣዪ ዀረየሉ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣእተዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም። እንሆ ድማ፡ ግብርታት ኣሳ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ዘውቀሮ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ብብልሓት ገባር ሽቱ እተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን በበይኑ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልኤት ዓራት ድማ ኣንበርዎ፡ ዓብዪ ምሕራር ከኣ ኣሕረሩሉ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም። ኣብ ኲለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሐዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ። ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሀብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡ ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዔ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም። ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ። መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሀሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን። ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ። ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዚብል እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሔ። ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ። ቊጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሐዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡ ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል መበል ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል መበል ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። እቲ ረኣዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ፡ ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚጸልእዎኸ ኽትፈትዎም ኢኻ በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኲራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። ግናኸ ካብዛ ሃገር እዚኣ ንኣስታርተታት ኣርሐቕካ፡ ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ፡ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ። ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፡ መሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም። ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ። ነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን። ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ኣብ ባእስን ኪፈርዱ፡ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሾመ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ። ካብቶም ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዚመጸኩም ዘበለ ነገር ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን መዓት ከይመጽእ፡ ብናይ ደምን ደምን፡ ብናይ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ምዐድዎም። ከምኡ ግበሩ እሞ በደልቲ ኣይክትኰኑን ኢኹም። እንሆ ድማ፡ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ዂሉ ነገር እቲ ሊቀ ኻህናት ኣማርያ፡ በቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ዂሉ ነገርውን እቲ መስፍን ቤት ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ኣለዉ። ጽኑዓት ኩኑ ግበርዎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባር ጽቡቕ ይኹን። ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እዚ ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን፡ ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ኪወግእዎ መጹ። ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሎም ዚነግርዎ ሰብ ከኣ መጹ፡ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ኻብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጸካ ኣሎ፡ እነዉ ድማ፡ ኣብ ሓጸጾን ታማር ኣለዉ፡ ንሳዔን ገዲ እያ። ሽዑ ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ እሞ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም አወጀ። ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ኪደሊ ተኣከበ፡ እወ፡ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ መጹ። ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡ በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን። ዎ ኣምላኽና፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዘባረርካዮም፡ ንእኣ ኸኣ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሀብካዮም ንስኻዶ ኣይኰንካ ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፡ ኣብኣውን ንስምካ መቕደስ ሰርሑ። ከምዚ ኸኣ በሉ፡ ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምክስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ከረን ሰዒርን፡ ንእስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣታቶም ኪኣትዉ ዘይፈቐድካሎም፡ ንሳቶም ግና ካብኦም ዘይሮም ዘየጥፍእዎም፡ እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስቴኻና ርስትኻ ኼውጽኡና ብምምጻኦም ከመይ ዝበለ ውሬታ ይመልሱልና ኣለዉ። ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ። ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ። ሽዑ ኣብ ማእከል እታ ማሕበር ናብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ፡ ወዲ በናያ፡ ወዲ የዒኤል፡ ወዲ ማታንያ፡ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን፡ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን። ጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ ኣለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም። ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ። ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ። እቶም ሌዋውያን ካብ ደቂ ቀሃታውያንን ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኼመስግንዎ ተንስኡ። ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ስምዑኒ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ። ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚዝምሩንቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ኪወጹ ኸለዉ፡ ዜመስግንዎን ሰባት ኣቘመ፡ ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኺብሉ እዮም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ። ኪዝምሩን ኪውድሱን ምስ ጀመሩ ኸኣ ነቶም ናይ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ፡ ተሳዕሩ። እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ፡ ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ። ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዔኛ ምስ መጹ፡ ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ፡ እንሆ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ። ዮሳፋጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ኪገፉ ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፡ ገንዘብን ክቡር ኣቓሑን፡ ረኸቡ፡ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ንርእሶም ሐፈሱ፡ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኺገፍዎ ወዐሉ። በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በራካ ተኣከቡ፡ ኣብኣ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ፡ ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በራካ ኢሎም ይሰምይዋ ኣለዉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብቶም ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ናብ የሩሳሌም ብሓጐስ ኪምለሱስ፡ ኲሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ዮሳፋጥ ቀቅድሚኦም እናኸደ፡ ተመልሱ። ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ። ኲሎም መንግስትታት ሃገራት ድማ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከም ዝወግኦም ምስ ሰምዑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኰነ። መንግስቲ ዮሳፋጥ ከኣ ሀድኤት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሀቦ። ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ። ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን። ግናኸ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፡ እቶም ህዝቢውን ገና ልቦም ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየቕንዑን ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ግብሪ፡ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ኣብ ዩ ወዲ ሓናኒ ተጸሒፉ ኣሎ። ድሕርዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ። ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሐበረ። ኣብ ዔጽዮን ጋበር ከኣ መራኽብ ሰርሑ። ሽዑ ኤሊዔዘር፡ ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ ምስ ኣሓዝያ ሰለ ዝሐበርካ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ስራሕካ ኼፍርሶ እዩ፡ ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ እሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን። ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ። ኣሕዋት ከኣ ደቂ ዮሳፋጥ ነበርዎ፡ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያሁን ሚካኤልን ሸፋጥያን፡ እዚኣብቶም ኲሎም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል ነበሩ። ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት፡ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዘበለ ነገርን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ሀቦም፡ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዂሪ ነበረ እሞ፡ እታ መንግስቲ ንእኡ ሀቦ። ዮራም ከኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ጸንዔ፡ ንዂሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም ካብ ሓላቑ እስራኤልን ብሴፍ ቀተሎም። ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ፡ ሰበይቱ ጓል ኣከኣብ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነግስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። እግዚኣብሄር ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዝበለን፡ ነታ ቤት ዳዊት ኬጽንታ ኣይፈተወን። ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለዉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ፡ ሽዑ ዮራም ምስ ሓላቑኡ፡ ኵለን ሰረገላኡ ኸኣ ምስኡ፡ ናብኡ ሐለፈ፡ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ነቶም ካቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረርገላታትን ወቕዖም። ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሐደጎ፡ ሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ኻብ ትሕቲ ኢዱ ዐለወት። ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሔ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ኸኣ ኣመንዘሮም፡ ንይሁዳውን ኣስሐቶም። ግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዚሔሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ኪቐዝፎም እዩ። ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብጊዜኡ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሐምም ኢኻ። እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን እቶም ኣብ መንጽር ኢትዮጵያ ዚነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ዮራም ኣተንስኤ። ናብ ይሁዳ ደዪቦም ኣተውዋ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንተረኽበ ዂሉ ገንዘብ በዝበዙ፡ ደቁን ኣንስቱውን ወሰዱ፡ ብዘይ ዮኣስ፡ እቲ ኻብቶም ደቁ ዝነኣሰ፡ ገለ ወዲ ኣይተረፎን። ድሕርዚ ዂሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምዑቱ ብዘይፍወስ ሕማም ወቕዖ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ኢሉ ጊዜ ሐለፈ፡ ክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ኣማዑቱ ብምኽንያት ሕማሙ ወጸ፡ ብብርቱዕ ቃንዛ ድማ ሞተ። ህዝቡ ኸኣ፡ ከምቲ ምሕራር ኣቦታቱ፡ ምሕራር ኣይገበሩሉን። ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ። ሓደ እኳ ኸይደለዮ ኸደ። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፡ ግናኸ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡ ድማ እቶም ደቂ የሩሳሌም ነቲ ንእሽቶ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ። እዚ ኸኣ ንዂሎም እቶም ዓበይቲ እቲ ምስ ዓረባውያን ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ጭፍራ ስለ ዝቐተሎም እዩ። ከምዚ ኢሉ ኣሓዝያ፡ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሓንቲ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ እያ። ኣዲኡ ረሲእነት ንምግባር መኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ ድማ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ። ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ንሳቶም እዮም ንጥፍኣቱ መኸርቱ ዝነበሩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከም ቤት ኣከኣብ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። በቲ ምኽሮም ከይዱ ድማ ምስ ዮርም ወዲ ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ንሃዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት ጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ። ሽዑ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሉ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወሳ ተመልሰ። ኣዛርያ ወዲ ዮኡራም ንጉስ ይሁዳ፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኣብ ይዝርኤል ኪርእዮ ወረደ። ግናኸ እቲ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምምጻኡ ንጥፍኣቱ ኻብ ኣምላኽ እሮኡ ዝነበረ። ናብኡ ምስ መጸ፡ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጽንታ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ የሁ ወዲ ኒምሺ ኪቕበሎ ምስ ዮራም ወጸ። ኰነ ኸኣ፡ የሁ ነቲ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኼውርደላ ኸሎ፡ ነቶም ሓላቑ ይሁዳን ነቶም ንኣሓዝያ ዜገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱ ንኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቀተሎም። ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ እሞ፡ ኣብ ሰማርያ ተሐብኡ ኸሎ፡ ሒዞም ናብ የሁ ኣምጽእዎ ቐተልዎ ኸኣ፡ ንሳቶምውን፡ ንሱስ ወዲ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ዝደለዮ ዮሳፋጥ እዩ፡ ኢሎም ቀበርዎ። ድሕርዚ ኻብ ቤት ኣሓዝያ ነታ መንግስቲ ኺሕዛ ዝኸኣለ የልቦን። ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ብዝረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍኤት። ግናኸ ንሆወብዓት ጓል ንጉስ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ወሲዳ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰረቐቶ፡ ንእኡ ምስ መጒዚቱ ኸኣ ናብ ሕልፍኚ ዓራ ኣእተወቶ። ከምኡ የሆወብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሰበይቲ ኻህን ዮያዳ፡ ንሳ ሓብቲ ኣሓዝያ እያ፡ ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብኣቶ እሞ፡ ዓታልያ ኣይቀተለቶን። ንሱ ድማ ሹድሽተ ዓመት ምሳታቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተሐብኤ። ዓታልያ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ዮያዳ ተብዔ እሞ፡ ነቶም ሓላቑ ሚእቲ፡ ንዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማዔል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚኽሪን፡ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣእተዎም። ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ብዘሎ ማሕበር ድማ ምስቲ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ኪዳን ኣተወ። ዮያዳ ኸኣ በሎም፡ እንሆ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት እተዛአቦ፡ ወዲ ንጉስ ይንገስ። እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ ኣቱም ብሰንበት እትኣትዉ፡ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶኹም ሓለውቲ ደጌታት ይኹኑ። ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ ንጉስ፡ ሲሶውን ኣብ ደገ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን። ግናኸ ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዜገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፡ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ፡ ይእተዉ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሐልዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ኸኣ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪኣቱን ኪወጽእን ከሎ ድማ ምስኡ ኹኑ። እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ነቶም ክፍልታት ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ እቶም ሌዋውያንን ብዘለዉ ይሁዳን ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ዚኣትው ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም፡ ሰሰቦም ይወስድዎም ነበሩ። ካህን ዮያዳ ድማ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝጸንሔ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን በብዓይነቱ ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም። ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት ጀሚሩ ኽሳዕ ጸጋማይ ወገን እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም። ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮያዳን ደቁን ከኣ ቀብእዎ እሞ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ። ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ነቲ ንጉስ እናጐየዩ ዚውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዔት፡ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ዓንዱ ደው ኢሉ፡ እቶም ሓላቑን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከኣ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርያ ሙዚክ ነቲ መዝሙር ምስጋና መርሑ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እሮኡ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሔት። እቲ ኻህን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዚስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ በሎም። ኣግልስ ኣቢሎም ኣሕለፍዋ እሞ፡ ናብታ ናይ ናብ ቤተ ንጉስ እተእቱ ደገ ኣፍራስ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ። ዮያዳ ድማ፡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኪዀኑ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ርእሱን ኣብ መንጎ ብዘሎ ህዝብን ንንጉስ ኪዳን ኣቘመ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሐረድዎ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዖ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብሓጐስን ብመዝሙርን ዚሐርር መስዋእቲ እግዚኣብሄር ኬዕርጉ ንዝመደቦም ካህናት፡ ሌዋውያን፡ ዮያዳ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበሮም። ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ኣብተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ነቶም ሓለውቲ ኣቘሞም። ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ክቡራትን ነቶም ናይ ህዝቢ ስልጡናትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰዶም፡ ነቲ ንጉስ ድማ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፡ በታ ላኦለይቲ ደገ ናብ ቤተ ንጉስ ኣትዮም ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ዝፋን መንግስቲ ኣቐመጥዎ። ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሐጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤት። ንዓታልያ ግና ብሴፍ ቀቲሎምዋ ነበሩ። ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር ሸባዕ እያ። ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ። ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕድሳ ሐሰበ። ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ፡ ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ብዘሎ እስራኤል ኣክቡ፡ በዚ ነገር እዚ ኸኣ ቐልጥፉ፡ በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ኣይቀልጠፉን። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ጸዊዑ በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንማሕበር እስራኤል ዝሐገገላ ግብሪ ድንኳን ምስክር ካብ ይሁዳን ካብ የሩሳሌምን ኬምጽኡ ዘይገደድካዮም ነታ ቤት ኣምላኽስ፡ ደቂ ዓታልያ፡ እታ ረሲእ ሰበይቲ፡ ኣበላሽዮምዋ እዮም፡ እቲ ንቤት እግዚኣብሄር እተቐደሰ ዘበለ ዂሉ ድማ ንበዓላት ገይሮምዎ እሮኦም። እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ እሞ፡ ሓደ ሳጹን ገይሮም ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ኣቐመጥዎ። ድማ እቲ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ በረኻ ዝሐገገሎም ግብሪ ናብ እግዚኣብሄር ኬእትዎ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣወጁ። ኲሎም ሓላቑን ብዘለዉ ህዝብን ከኣ ተሐጒሶም ገንዘብ ኣምጽኡ እሞ ኽሳዕ ዚውዳእ ናብቲ ሳጹን ኣእተውዎ። ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ሳጹን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብቶም ቈጸርቲ ንጉስ ዜምጽኡሉ ጊዜ ምስ በጽሔት፡ ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ኻህናት ቈጻርን መጹ፡ ነቲ ሳጹን ገልቢጦም ከኣ ናብ ቦታኡ መለስዎ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ እሞ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ። ንጉስ ዮያዳን ድማ እዚ ነቶም ነቲ ዕዮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ ሀብዎም። ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ወቐርትን ጸረብትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዓብየይቲ ሓጺንን ኣስራዝን ተወዓዐሉሉ። እቶም ዓየይቲ ኸኣ ይዐዩ ነበሩ፡ እቲ ዕዮ ድማ ብኢዶም እናወሰኸ ሰልጠነ እሞ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣጽንዕዋ። ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ቅድሚ ንጉስን ዮያዳን ኣምጽእዎ፡ ካብኡ ድማ ቓሑ ንቤት እግዚኣብሄር፡ ኣቓሑ ንኣገልግሎትን ንዚሐርር መስዋእትን፡ ማናኩን ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮያዳ ኽሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኲሉጊዜ ዚሐርር መስዋእቲ የዕርጉ ነበሩ። ዮያዳ ግና ሸምገለ፡ ዕድመ ጸጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኺመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ። ኣብ እስራኤል ንኣምላኽ ነታ ቤቱን ጽቡቕ ሰል ዝገበረሎም ድማ፡ ምስቶም ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ድሕሪ ሞት ዮያዳ ግና እቶም ሓላቑ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ፍግም በሉሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም ድማ ንኣስታርቴታትን ጣኦታትን ኣገልገሉ። በዚ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ መጸ። ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼምልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያት ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ይገንሕዎም ነበሩ፡ ግናኸ ኣይሰምዕዎን። ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ እሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዘፍረስኩም ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሐደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሐዲጉኩም እዩ። ሽዑ ንእኡ ተማሓሐሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ ዮያዳ ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን፡ ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ግና ኪመውት ከሎ፡ ነዝስ እግዚኣብሄር ይርእዮ ይድለዮውን ነበረ። ኰነ ድማ፡ እታ ዓመት ምስ ሐለፈት፡ ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ደየበ እሞ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣትዮም ንብዘለዉ ሓላቑ ህዝቢ ኻብቲ ህዝቢ ኣጥፍእዎም። ንዂሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብቲ ንጉስ ኣብ ደማስቆ ሰደድዎ። እቲ ሰራዊት ሶርያ ምስ ሒዶት ጭፍራ ሰብ መጸ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ሀቦም። ነቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ኣውረድዎ። እዚኣቶም ካብኡ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ንሱ ኣዝዩ ሐሚሙ ኸሎ ሐዲጎምዎ ነበሩ፡ ገላውኡ ብምኽንያት ደም ደቂ ኻህን ዮያዳ ተማሓሐሉሉ፡ ኣብታ ዓራቱ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ፡ ግናኸ ኣብ መቓብራት ነግስታት ኣይቀበርዎን። እቶም እተማሓሐሉሉ ድማ ዛባድ፡ ወዲ ሺምዓት ዓሞናዊትን ዮዛባድ፡ ወዲ ሺምሪት ሞኣባዊትን እዮም። ብናይ ደቁን ብናይ ብዝሒ እቲ እተጻዕነሉ ግብርን ብናይ ምሕዳስ ቤት ኣምላኽን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ትርጓሜ መጽሓፍ ነገስታት ተጽሒፉ አሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ። ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲእሪ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቡ ኣይኰነን። ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም። ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን። ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮም፡ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም። ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ናብኡ መጺኡ በሎ፡ ዎ ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምስ እስራእሕአል፡ ምስ ብዘለዉ ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። ክትከይድ እንተ ደሌኻ ግና፡ ኪድ። ኣብ ውግእ በርትዕ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ ኼውድቐካ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንምርዳእ ኰነ ወይ ንምጥፍእ ስልጣን ኣለዎ። ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በቲ ንጭፍራ እስራኤል ዝሀብክዎም ሚእቲ ታለንትኸ እንታይ ይገበር በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ካብኡ ዚበዝሕ እግዚኣብሄር ኪህበካ ይኽእል እዩ፡ በለ። ሽዑ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ጭፍራ ናብ ስፍራኦም ኪኸዱ ፈለዮም። ግናኸ ቊጥዓኦም ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ተናደደ፡ ብእተናደደ ቚጥዓ ኸኣ ናብ ስፍራኦም ተመልሱ። ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንህዝቡ ኣውጽኤ፡ ናብ ለሰ ጨው ከይዱ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ሰዒር ዓሰርተ ሽሕ ወቕዔ። እቶም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ብህይወቶም ሒዞም፡ ናብ ርእሲ ሓንቲ ኸውሒ ኣደየብዎም፡ ካብ ርእሲ እታ ኸውሒ ድማ ንቚልቁል ኣጽደፍዎም፡ ኲሎም ከኣ ተጨፍለቑ። እቶም ኣማስያ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይከዱ ዘሰናበቶም ሰባት ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፡ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤት ሖሮን፡ ሓደጋ ወደቑወን እሞ ኣባታተን ሰለስተ ሽሕ ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ። ኰነ ድማ፡ ኣማስያ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ኪመለስ ከሎ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ተማልኤ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ድማ ኣቘሞም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዕጣንውን ዐጠነሎም። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ኣማስያ ተናደደ እሞ፡ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየድሐኑ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ ዝደሌኻዮም በሎ። ኰነ ድማ፡ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ፡ ናይ ንጉስ መኻሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና ግደፍ፡ ንምንታይ ክትቅተል እትደሊ በሎ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ምኽረይ ብዘይ ምስማዕካ እዚ ኻብ ገበርካስ፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ፡ ኢሉ ገደፎ። ሽዑ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምኽሪ ምስ መኸረ፡ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ወዲ የሁ፡ ሰዲዱ፡ ንዓ እሞ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ በሎ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸምዚ በሎ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓልካ ሀቦ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፉ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጽዎ። እንሆ፡ ንኤዶም ስዒረያ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ልብኻስ ኬኽብረካ ኢሉ ተዐበየ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ተቐመጥ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ፡ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ፡ ክትወድቕስ ኣብ መከራ እትኣቱ ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝደለይዎም ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡ በዚ እዩ ኣማስያ ነዚ ዘይሰምዔ። ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሸመሽ ንገጽ ተራኣኣዩ። ግናኸ ይሁዳ ኣ ብቅድሚ እስራእሕአል ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ድንኳኑ ሀደመ። ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት ሸመሽ ሐዞ፡ ናይ የሩሳሌም ከኣ ኣምጽኦ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ። እቲ ምስ ዖቤድ ኤዶም ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝሆ ዚዀኑ ደቅን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ። ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮኣስ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሃፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልንዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ድሕሪ እታ ኣማስያ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሐቐላ ጊዜ ኣብ የሩሳሌም ማሕላ ተማሓሐሉሉ። ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሀደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ልኢኾም ከኣ ኣብኣ ቐተልዎ። ኣብ ኣፍራስ ሰቒሎም ወሰድዎ፡ ኣብ ከተማ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንዑዝያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዱ ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ። ንሱ ንኤሎት ሰርሓ፡ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ብዝደቀሰ ድማ፡ ናብ ይሁዳ መለሳ። ዑዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። እቲ ናይ ኣምላኽ ራእይ ዜስተብህል ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ የቃንዓሉ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ እሞ ፡ ንመካበብያታት ጋትን መካበብያታት ያብነን መካበብያታት ኣሽዶድን ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣሽዶድን ኣብ ማእከል ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሔ። ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጉር በዓል ዚነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ መዑናውያንን ከኣ ኣምላኽ ሀገዞ። ዓሞናውያን ድማ ንዑዝያ ህያባት ሀብዎ፡ ንሱ ብዘይ ልክዕ በርትዔ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ግብጺ ኸደ። ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዝንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ መኣዝንን ግምብታት ሰርሔ ኣጽንዖውን። ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ድማ ብዙሓት ከብቲ ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻውን ግምብታት ሰርሔ፡ በዙሕ ሓጽብታት ከኣ ኰዐተ። ፈታው ማሕረስ ድማ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብቲ ፍርያም ግርሁን ሓረስቶትን ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ። ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተማህረ ሰራዊት ነበሮ። ንሱ ኸምቲ የዒኤል እቲ ጸሓፍን ማዓስያ እቲ ኻብቶም ሓላቑ ንጉስ፡ ዝጸሐፍዎን ዝቘጸርዎን ጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ። ብዘሎ ቚጽሪ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። ኣብ ትሕቲ ኢዶም ድማ ንጉስ፡ ንጸላኢ ንምውጋእ ዚሕግዞ፡ ሰለስተ ሚእትን ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓያልን ጅግናን ዝዀነ ሰራዊት ነበሮ። ዑዝያ ኸ ኣንብዘሎ እዚ ሰራዊት ዋላቱን ኲናውትን ቊራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዚውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዚውርውረሉ ብብልሓት ብልሃተኛ እተገብረ መሳርያታት ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናትን ዚዀና ነበረ። ክሳዕ ዚብርትዕ ብዜደንቕ ተረዲኡ ነበረ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ርሑቕ ወጸ። ምስ ሰልጠነ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ፡ ኣብተ መሰውኢ ዕጣን ኪዐጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ። ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ክህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪኡ ኣተወ። ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ። ሽዑ ዑዝያ ዀረየ፡ ነታ ዚዐጥነላ ጽንሃህ ከኣ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ኪዂርየሎም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ። ሊቀ ኻህናት ኣዛርያን ኲሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ግምባሩ ለምጻም ነበረ እሞ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ። እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ ባዕሉውን ቀልጢፉ ወጸ። ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምጻም ነበረ። ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ለምጻም ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ተቐመጠ። ወዱ ዮታም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ንጉስ ነበረ። ንህዝቢ እታ ሃገርውን ይፈርድ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዑዝያ ነገር ከኣ፡ ቀዳማዮን ዳሕራዩን፡ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ጽሒፍዎ ኣሎ። ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱውን ቀበርዎ። ንሱ ለምጻም ነበረ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ናይ ነገስታት መቓብር ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ። ዮታም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ። ንሱ ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይኣተወን እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድም እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። እቶም ህዝቢ ግና ይእብሱ ነበሩ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሔ፡ ኣብ መካበብያ ዖፌልውን ብዙሕ ሰርሔ። ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ከተማታት ሰርሔ፡ ኣብ ዱር ከኣ ዕርድታትን ግምብታትን ሰርሔ። ንሱ ኸኣ ምስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ተዋጊኡ ሰዐሮም እሞ፡ በታ ዓመት እቲኣ እቶም ደቂ ዓሞን ሚእቲ ታለንት ብሩርን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ሀብዎ። እቶም ደቂ ዓሞን በታ ኻልኣይትን ሳልሰይትን ዓመት ከኣ ከክንድዚ ሀብዎ። ዮታም መገድታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ስለ ዘቕንዔ ድማ፡ በርትዔ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ ውግኡን መገድታቱን ከኣ፡ እንሆ፡ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ። ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን። ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ ኤረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ። ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዐጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም። ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ ንሳቶም ድማ ሰዐርዎ እሞ፡ ካብ ናቱ ዓብዪ ጭፍራ ማሪኾም፡ ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎ። ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤልውን ተዋህበ፡ ንሱ ኸኣ ብዓብዪ ስዕረት ሰዐሮ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎስ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኻብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ቀተለ፡ ኲሎም ተዋጋእቲ ሰብ ነበሩ። ዚክሪ ዚብሀል ሓደ ጅግና ኤፍሬማዊ ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ቀተሎም። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፡ ካባታቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ኣምጽእዎ። ኣብኡ ግና ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ እግዚኣብሄር ነበረ፡ ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ሰራዊት ኪቀባበሎ ወጸ፡ በሎም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣብ ይሁዳ ስለ እተቘጥዔ፡ ንእኦም ኣብ ኢድኩም ሀበኩም፡ ንስኻትኩም ከኣ ናብ ሰማይ ብዚበጽሕ ነድሪ ቐተልኩምዎም። ሕጂ ድማ ነቶም ደቂ ይሁዳን የሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ትሐስቡ ኣሎኹም። እምበኣርሲ ንስኻትኩም፡ እወ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽዶ ትብድሉ ኣየሎኹምን ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ነዲዱ ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም። ሽዑ ገለኻብቶም ሓላቑ ደቂ ኤፍሬም፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናን በረክያ ወዲ መሺለሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን ኣብቶም ካብ ውግእ ዝመጹ ተንስኡ፡ በልዎም ድማ፡ በደልናስ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም ከኣ በዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዚዀነና ጌርኩም፡ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሐስቡ ዘሎኹም እሞ፡ ነዞም ምሩኻት እዚኦም ናብዚ ኣይተእትውዎም። ሽዑ እቶም ሰብ ውግእ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም ሓላቑን ብዘላ ማሕበርን ሐደግዎም። እቶም ሕጂ እተሰምዩ ሰባት ከኣ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፡ ንዂሎም ዕሩቓቶም ድማ ካብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከኣ። ኣሳእን ሀብዎም፡ መብልዕን መስተን ሀብዎም ዘይቲውን ለኸይዎም፡ ንዂሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣስሪሮም፡ ናብ ያሪኮ፡ ናብታ ኸተማ ተምሪ፡ ናብ ኣሕዋቶም ኣብጽሕዎም። ናብ ሰማርያ ኸኣ ተመልሱ። በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣሃዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ለኣኸሎም። ኤዶማውያንሲ ኸም ብሓድሽ መጺኦም ንይሁዳ ሓደጋ ወዲቖም፡ ምሩኻት ወሰዱ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንቤት ሸመሽን ኣያሎንን ገደሮትን ንሶኮ ምስ ከተማታታን ንቲምና ምስ ከተማታታን ንጊምዞውን ምስ ከተማታታን ሐዝወን። ኣባታተን ድማ ተቐመጡ። እግዚኣብሄር ብሰሪ ኣሃዝ ንጉስ እስራኤል፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ በዲሉ ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሐደጋ፡ ንይሁዳ ኣዋረዳ። ቲልጋት ጲልነሰር ንጉስ ኣሶር ግና ናብኡ መጸ፡ ንሱ ኣጽበበሉ ደኣ እምበር፡ ኣይደገፎን። ኣሃዝ ነታ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ ንጉስን ቤተ ሓላቑን ጐርጒሩ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይተረድኣሉን። እዚ ንጉስ ኣሃዝ በዚ ጊዜ ጸበባኡ ድማ እናወሰኸ ንእግዚኣብሄር በደሎ። እቶም ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንእኦም ዚሕግዝዎም ስለ ዝዀኑ፡ ኣነ ኸኣ፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ፡ ኢሉ ነቶም ዝሰዐርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውኣሎም ነበረ። ግናኸ ንሳቶምስ ንእኡን ንብዘሎ እስራኤልን ደኣ ንውድቀት ኰንዎም። ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ኣከቦ እሞ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽውን ሰባበሮ፡ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዐጸዎ። ኣብ ኲሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ። ኣብ ብዘለዋ ኸተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ኣብኡ ኺዐጥነሎም፡ በረኽቲ ገበረ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ። እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኲሉ መገድታቱን ድማ፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣሃዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ኸተማ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ቀበርዎ፡ ግናኸ ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ። ህዝቅያስ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ከሎ ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ኸኣ ኣቢያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ። ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ንሱ በታ መጀመርያ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን ጸገነንውን። ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸአ፡ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም፡ በሎም ድማ፡ ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ፡ ተቐደሱ፡ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከኣ ቀድስዋ፡ ነቲ ርኽሰት ድማ ካብ መቕደስ ኣውጽእዎ። ኣቦታትና በደሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእኡ ድማ ሐደግዎ፡ ገጾም ካብ ማሕደር እግዚኣብሄር ንንየው መለሱ፡ ዝባኖምውን መለሱሉ። መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዐጸዉ፡ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፡ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዐጠኑን፡ ዘሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣየዕረጉሉን። ስለዚ ድማ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኰይኑ ኣሎ እሞ፡ ከምዚ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመሰክሕን ብመደነቕን ንመላገጽን ገበሮም። ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣቦታትና ብሴፍ ወደቑ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ። ሕጅስ እቲ ጕሁር ቊጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኺምለስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ኣብ ልበይ ሓሳብ ኣሎኒ። ኣቱም ደቀየ፡ ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ዕጣን ክትዐጥኑሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክትብሉ፡ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሐርዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሸለል ኣይትበሉ። ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ማሓት ወዲ ኣማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፡ ካብ ደቂ መራሪ ድማ፡ ቂስ ወዲ ዓብድን ኣዛርያ ወዲ ዮሃለልኤልን፡ ካብ ጌርሾናውያን ከኣ፡ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ዔደን ወዲ ዮኣሕን፡ ካብ ደቂ ኤሊጻፋን ድማ፡ ሺምሪን የዑኤልን፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ ከኣ፡ ዘካርያስን ማታንያን፡ ካብ ደቂ ሄማን ደማ፡ የሒኤልን ሺምዒን፡ ካብ ደቂ የዱቱን ከኣ፡ ሸማዕያን ዑዚኤልን። ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፡ ከምቲ ንጉስ ብቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከኣ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርይዋ ኣተዉ። እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርዩ ኣተዉ እሞ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንዝረኸብዎ ዂሉ ርኽሰት ናብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ከኣ ተቐቢሎም ናብ ግዳም ናብቲ ርባ ቄድሮን ኣውጽእዎ። በታ መጀመርያ ወርሒ እሞ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኪቕድሱ ጀመሩ፡ ነታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ናብ ገበላ እግዚኣብሄር መጹ፡ ብሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ፡ ነታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ መዓልታ ድማ ወድእዎ። ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም በልዎ፡ ንብዘላ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢ ምሕራርን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ኣጽሪናዮ ኣሎና። ነቲ ንጉስ ኣሃዝ ኪገዝእ ከሎ፡ ብምብዳሉ ዝደርበዮ ዂሉ ኣቓሑ ኸኣ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ። ሽዑ ንጉስ ህዝቅያስ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሓላቑ እታ ኸተማ ኸኣ ኣከቦም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ። ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚዀኑ ሾብዓተ ብዕራይን ሾብዓተ ድዑልን ሾብዓተ ገንሸልን ሾብዓተ ዲበላን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኪስውእዎም ከኣ፡ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም። ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሐረድዎም፡ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፡ ነቶም ደዓውልውን ሐሪዶም ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። ነቶም ገናሽል ከኣ ሐሪዶም፡ ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። ነቶም ዲበላታት መስዋእተ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ማሕበርን ኣቕረብዎም፡ ኣእዳዎም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ። እቲ ንጉስሲ እቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ምእንቲ ብዘሎ እስራኤል ኪግበር ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ሐረድዎም፡ በቲ ደሞም ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ መሰውኢ ሰውኡ። እቲ ትእዛዝሲ ብነብያቱ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከም ትእዛዝ ዳዊትን ጋድ እቲ ናይ ንጉስ ረኣይን ነብዪ ናታንን፡ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ጸናጽልን ምስ መሰንቆታትን ምስ በገናታትን ኣቘሞም። ሌዋውያን ከኣ ምስቲ ናይ ዳዊት መሳርያ ሙዚክ ካህናትውን ምስ መለኸታት ቈይሞም ነበሩ። ህዝቅያስ ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኺስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኺጅመር ከሎ ኸኣ፡ መዝሙር እግዚኣብሄርን መለኸታትን ብሓንሳእ ምስቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርያ ሙዚክ ጀመረ። ብዘሎ እቲ ማሕበር ከኣ ይሰግድ ነበረ፡ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፡ መለኸታትውን ተነፍሔ፡ እዚ ዂሉ ድማ እተ ዚሐርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዚፍጸም ኰነ። ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ፈጸምዎ ኸኣ፡ እቲ ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎምን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። ንጉስ ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ኣሳፍ እቲ ረኣይን ንእግዚኣብሄር ምስጋና ኺዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሐጒሶም ከኣ ምስጋና ዘመሩ፡ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ። ህዝቅያስ ድማ፡ ሕጂ ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር መሊእኩም ኢኹም እሞ፡ ቅረቡ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእትዉ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ማሕበር ከኣ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽኤ፡ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዂሉ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረበ። ቊጽሪ እቲ ማሕበር ዘምጽኦ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰብዓ ብዕራይ፡ ሚእቲ ድዑል፡ ክልተ ሚእቲ ገንሸል እዩ፡ እዚ ዂሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝቐደስዎ ነገር ድማ ሹድሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን እዮም። እቶም ካህናት ግና ውሒዶም ነበሩ እሞ ንዂሎም እቶም መስዋእቲ ምሕራር ምቕላጦም ኣይከኣሉን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዕዮዚ ኽሳዕ ዘውዳእ፡ እቶም ካህናትውን ክሳዕ ዚቕደሱ፡ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሐገዝዎም። ከመይሲ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዚበልጹ ንምቕዳስ ዚኸውን ቅኑዕ ልቢ ነበሮም። ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ኢሉ እተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ አሉ ተሰርዔ። እቲ ነገር ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ዘዳለወሉ ተሐጐሱ። ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪመጹ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሉ፡ ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፡ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ደብዳበ ጸሐፈ። ግናኸ እቶም ካህናት ዚኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ጊዜኡ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኺበዐል ተማኺሮም ነበሩ። ግናኸ እቶም ካህናት ዚኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ጊዜኡ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኺበዐል ተማኺሮም ነበሩ። እዚ ነገር እዚ ንንጉስን ንብዘላ እታ ማሕበርን ቅኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። ከምቲ ጽሑፍ ገይሮም ካብ ነዊሕ ዘመን ኣየብዐልዎን እሞ መጺኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ዳን ኣብ ብዘሎ እስራኤል ኣዋጅ ኪእወጅ መደቡ። እቶም ልኡኻት ድማ ደብዳቤታት ንጉስን ሓላቑኡን ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዚ ኢሎም ነገሩ፡ ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዝመለቚኩም ተረፍ፡ ምእንቲ ኺምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ተመለሱ። ከምቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝበደሉ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ኣባደሞም፡ ሕጅስ ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፡ ኢድኩም ደኣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ምጹ፡ እቲ ነዲ ቚጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመለስኩምሲ፡ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ኪረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ኪምለሱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ናብኡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ድማ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልሶን እዩ። እቶም ልኡኻት ከኣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ክሳዕ ዛብሎን ሐለፉ። ግናኸ ሰሐቑሎምን ኣላገጹሎምን። ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ሓያሎ ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ። እቲ ብቓል እግዚኣብሄር ብዀነ ትእዛዝ ንጉስን ሓላቑን ኪገብሩስ፡ ሓደ ልቢ ኺህቦም፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ኢድ ኣምላኽ ኰነ። ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኸኣ በዓል ቅጫ ኼብዕሉ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣዝዮም ዓብዪ ማሕበር፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ። ተንሲኦም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣርሐቑ፡ ንዂሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ርባ ቄድሮን ደርበይዎ። ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሐፈሩ፡ ተቐዲሶም ከኣ ዚሐርር መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምጽኡ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፡ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነጽጉ ነበሩ። ኣብታ ማሕበርሲ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነጽሁ ዂሎም ፋስጋ ሐሪዶም ንእግዚኣብሄር ቀደስዎም። ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ኪደልዮም ልቡ ዘቕንዔ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሄ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ። ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ኪደልዮም ልቡ ዘቕንዔ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሄ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኣሕወዮ። እቶም ኣብ የሩሳሌም እተረኽቡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ሓጐስ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዐሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ ንእግዚኣብሄር መዓልቲ ንመዓልቲ ብመሳርያ ሙዚክ ንእግዚኣብሄር ምስጋና ዘመሩ። ህዝቅያስ ድማ ንልቢ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣጸቢቖም ዜስተውዑሉ ዝነበሩ ዂሎም ሌዋውያን ጥዑም ተዛረቦም። በቲ በዓል፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ እቲኣተን፡ ከኣ መስዋእቲ ምስጋና እናዕረጉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም እናመስገኑን ይበልዑ ነበሩ። ብዘለዉ እቶም ማሕበር ድማ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ኣስመሩ፡ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲውን ብሓጐስ ኣብዐሉ። ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ማሕበር ንምስዋእ ሽሕ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀበ። እቶም ሓላቑ ድማ ንማሕበር ሽሕ ብዕራይን ዓሰርተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀቡ። ብዙሓት ካህናት ከኣ ተቐደሱ። ብዘሎ ማሕበር ይሁዳ ድማ ምስናይ ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ እቲ ኻብ እስራኤል ዝመጸ ማሕበርን እቶም ወሰንተኛታት ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩን ተሐጐሱ። ካብ ዘመን ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ተንሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፡ ድምጾም ድማ ተሰምዔ፡ ጸሎቶምውን ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ቅድስቲ ማሕደሩ፡ ኣተወ። እዚ ዂሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡ ኣብኡ እተረኽበ ዘበለ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጹ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ በረኽትን መሰውኢታትን ክሳዕ ዚጥርሱ፡ ኣፍረስዎም። ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፡ ናብ ከተማታቶም ተመልሱ። ህዝቅያስ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ከክፍሎም ኪዀኑ መደቦም፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ምግልጋሉ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኬዕርጉን ኬገልግሉን ኣብተን ደጌታት ሰፈር እግዚኣብሄር ኪውድሱን ኬመስግኑን ሰርዖም። እቲ ንጉስ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ጽሑፍ ዘሎ፡ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ዚሐርር መስዋእትን ዚኸውን ካብ ገንዘቡ ሀበ። ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ህዝቢ ድማ፡ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን፡ ንሳቶም ኣብቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺጸንዑ፡ ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም። እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ። እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ካብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፡ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝቐደስዎ ቅዱሳት ነገር ድማ ኣስራት ኣምጽኡ፡ ኲምራታት ከኣ ገበርዎ። ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ኪዂምሩ ጀመሩ፡ በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ። ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን መጺኦም ነቲ ዂምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ንህዝቡ እስራኤልን ባረኹ። ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዂምራታታ ሐተቶም። ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ጻዶቅ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ኣዛርያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዚጅምር ሒዝና ኽሳዕ እንጸግብ ንበልዕ ነበርና፡ ብዙሕ ከኣ ኣትረፍና። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ባሪኽዎ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ እዚ ድልቢ እዚ እዩ። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕከን ኪዳሎ ኣዘዘ፡ ኣዳለዉ ኸኣ። መባእን ኣስራትን እቲ እተቐደሰ ነገርን ከኣ ተኣሚኖም ናብኡ ኣእተዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ነገር እዚ ድማ ኮናንያ ሌዋዊ ተሸይምዎ ነበረ፡ ካልኣይ ከኣ ሓዉ ሺምዒ። ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስን ኣዛርያ መስፍን ቤት ኣምላኽን ድማ የሒኤልን ኣዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን ባናያን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኮናንያን ሺምዒ ሓዉን ሓለውቲ ነበሩ። ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፡ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት ደገ ኸኣ ነቲ መባእ እግዚኣብሄርን ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ነገርን ኪዕድሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብፍታው ንኣምላኽ እተሰውኤ መባእ ዋና ዀነ። ኣብ ትሕቲ ኢዱ ድማ፡ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምቲ ኽፍሎም ንዓብይን ንንኡስን ኪዕድሉሎም፡ ዔዴንን ሚንያሚንን የሹዓን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን ብእምነት ኣብ ከተማታት ካህናት ተሸይሞም ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ እቶም ከከም ክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ነቲ ነናይ መዓልቲ ዜድሊ ነገር ኪገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣትዉ ዘበሉ ዂሎም፡ ከምኡ ድማ ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተጻሕፈ ኻህናት፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም እተጻሕፉ ሌዋውያን፡ ኣብቲ እተመዘዝዎ መዞም ደማ ርእሶም ብእምነት ቀደሱ እሞ፡ ነቶም እተጻሕፉ ዂሎም ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ብዘለዉ ናይታ ማሕበር፡ ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ግራሁ ዝነበሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፡ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ንተጻሕፈ ዘበሉ ዂሎምን ገግዲኦም ኪህብዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ በብስሞም እተመደቡ ሰባት ነበሩ። ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ። ብኣገልግሎት ቤት ኣምላኽን ብሕግን ብትእዛዝን ድማ ንኣምላኹ ደልዩ ዝጀመሮ ዂሉ ዕዮ፡ ብምሉእ ልቡ ገበሮ እሞ፡ ሰለጠሉ። ድሕሪ እዚ ነገር እዝን እዛ እምነት እዚኣን ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ፡ ኣብ ቅድሚ እተን እተዐርዳ ኸተማታት ሰፊሩ ድማ፡ ንርእሱ ኺሕዘን ሐሰበ። ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሬብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ኪዋግኣ ኸም ዝሐሰበን ምስ ረኣየ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ዘሎ ማያት ኣብ ዓዓይኑ ኺድፈን፡ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ሐገዝዎ። ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ከኣ፡ ስለምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዚረኽቡ ኢሎም ንዂሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእከል እታ ሃገር ዚውሕዝ ርባን ዐጸውዎ። ተቢዑ ድማ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበር መንደቕ ነደቖ፡ ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ፡ ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐ። ንሚሎ ኸተማ ዳዊት ከኣ ኣጽንዓ፡ ብዙሕ መሳርያታትን ዋላቱን ድማ ገበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ሓላቑ ውግእ ሾመ፡ ናብታ ኣብ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸኣ ናብኡ ኣከቦም እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ንልቦም ተዛረቦ፡ ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጥፍራን ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣና ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ። ድሕርዚ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር፡ ንሱን ብዘሎ ሰራዊቱ ኸኣ ምስኡን ፡ኣብ ቅድሚ ላኪሽ ሰፊሩ ኸሎ፡ ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ ይሁዳን ሰደደ እሞ በለ፡ ሰናክሬብ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብዛ ኽብብቲ የሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘሎኹምሲ፡ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም፡ ብጥሜትን ብጽምኣትን ክትሞቱስ፡ ህዝቅያስዶ ኣይኰነን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈና እዩ፡ እናበለ ዜስሕተኩም ዘሎ፡ እቲ ንበረኽቱን ንመሰውኢታቱን ኣግሊሱ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ አብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ፡ ዝበለስ፡ እዚ ህዝቅያስ እዚዶ ኣይኰነን ኣነን ኣቦታተይን ንዂሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኤንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኼናግፍወን ክኢሎም እዮም ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦምሲ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኬናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ እምበኣርሲ ህዝቅያስ ኣይጠብርኩምን በዚ ነገር እዚ ኣይሐባብልኩምን፡ ኣይትእመንዎ ኸኣ። ከመይሲ ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ዘበለ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይስ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ኬናግፎ ዝኽአለ መን እዩ ኣምላኽኩም ግዳ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም እቶም ገላዉኡ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ህዝቅያስን ተዛረቡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪጸርፎ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኪዛረብሲ፡ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሐንዎም፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይኬድሕኖምን እዩ ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈ። ነታ ኸተማ ምእንቲ ኺሕዝዋ ድማ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ መንደቕ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ኬፍርህዎምን ኬሸብርዎምንሲ ዓው ኢሎም ብቛንቋ ኣይሁድ ተዛረብዎም። ብዛዕባ ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምድሪ፡ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ። ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽን ግና ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ጸለዩ፡ ናብ ሰማይውን ተማህለሉ። እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዂሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ሓላቑን ኣጥፍኦም፡ ንሱ ኸኣ ገጹ ሐፊሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ናብ ቤት ኣምላኽሪ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ ኣብኡ ብሴፍ ቀተልዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቅያስን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ካብ ኢድ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኲሎም ካልኦት ኣድሐኖም፡ ብዂሉ ወገን ድማ ሐለዎም። ብዙሓት ከኣ ንእግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም መባእ፡ ክቡር ነገራት ከኣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣምጽኡ። ድሕሪ እዚ ድማ ንሱ ኣብ ኣዒንቲ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል ኰይኑ ተራእየ። በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዜቐርብ ሐመመ እሞ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ ንሱ ኸኣ ተዛረቦ፡ ምልክትውን ሀቦ። ግናኸ ህዝቅያስ፡ ልቡ ደኣ ተዐበየ እምበር፡ ነቲ ዝረኸቦ ኬርነትሲ ውሬታ ኣይመለሰሉን፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ ዀነ። ህዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ርእሱ ኣተሐተ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን። ህዝቅያስ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ እሞ፡ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን ንቐመማትን ንዋላቱን ንዂሉ ዓይነት ክቡር ኣቓሑን ቤት መዛግብቲ ገበረ። ንእቶም እኽልን ወይንን ዘይትን ድማ ሪቕ፡ ንዂሉ ዓይነት እንስሳ ኸኣ ጋጻት ሰርሔ፡ መጓሴታትውን ኣብ ደምቤታቱ ነበራኦ። ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ከተማታት ሰርሔ፡ ብዙሓት ከብትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ። ነቲ ላዕላይ ዓይኒ ማይ ጊሆን ዐቢሱስ፡ ናብ ምዕራብ ከተማ ዳዊት ኣቢሉ ዘውሐዞ ኸኣ እዚ ህዝቅያስ እዚ እዩ። ህዝቅያስ ድማ ኲሉ ግብሩ ሰለጠሉ። ምስናይዚ ግና እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እተገብረ ተኣምራት ኪጥይቑ ናብኡ እተላእኩ ልኡኻት መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መጹ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ኪፈትኖ ኢሉ ሐደጎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ናይ ለውሃት ተግባሩን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ቦታ ኸኣ ቀበርዎ። ብዘላ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብሞቱ ኣኽበርዎ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራእሕአል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓላት ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣስታርቴታትውን ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራውቲ ሰማይ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፡ ዝበለላ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ። ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም። ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረ፡ መንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ። ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ጣኦትውን ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ፡ ብዛዕባ እታ ቤት ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። ሓንትስ ነቲ ዝኣዘዝክዎም ኲሉ፡ ከምቲ ብሙሴ እተዋህበ ዂሉ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ደኣ ንምግባሩ ተጠንቀቑሉ እምበር፡ ንእግሪ እስራኤል ካብዛ ነቦታትኩም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣየግልሶን እየ። ምናሴ ድማ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ ኣስሐቶም። እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፡ ንሳቶም ናግ ናብኡ ኣየቕለቡን። ሽዑ እግዚኣብሄር ናብቲ ንጉስ ኣሶር ሓላቑ ሰራዊት ናብ ልዕሊኦም ከም ዝመጹ ገበረ፡ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሐዝዎ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ። ናብኡ ኸኣ ተማህለለ፡ ንሱ ድማ ራሕረሓሉ፡ ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ፡ ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ። ሽዑ ምናሴ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፈለጠ። ድሕርዚ ድማ ንሱ ንኸተማ ዳዊት ኣብ ወገን ምኦራብ ጊሆን፡ ኣብታ ለሰ ኽሳዕ ናብቲ ብደገ ዓሳ ዚኣትወሉ፡ ኣብ ዙርያ ዖፌል ናብ ወጻኢ መካበብያ ነደቐ፡ ኣዝዩ ድማ ኣበረኾ። ኣብ ኲለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓላቑ ጭፍራታት ኣቐመጠ። ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲን ነቲ ምስሊ ጣኦትን ድማ ካብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽኦ፡ ነቲ ኣብ ከረን ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ የሩሳሌምን ነዲቕዎ ዝነበረ ዂሉ መሰውኢታት ከኣ ኣርሒቑ ናብ ወጻኢ ኸተማ ደርበዮ። ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሐደሶ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ምስጋናን ቡራኬን ሰውኤ። ንይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም። ግናኸ እቶም ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ደኣ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በርኽቲ ይስውኡ ነበሩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ልማኖኡ ንኣምላኹን እቶም ረኣይቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ቓላትን እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ጽሑፍ ኣሎ። ድማ ብዛዕባ ጸሎቱን ከመይ ከም እተሰምዔን፡ ብዛዕባ ዂሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፡ ብዛዕባ እተን፡ ርእሱ ኸየዋረደ ኸሎ፡ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣስታርቴታትን ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ሖዛይ ተጽሒፉ ኣሎ። ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ። ኣሞን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ኣሞን ድማ ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኲሎም ምስልታት ሰውኣሎምን ኣገልገሎምን። እዚ ኣሞን እዝስ ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሐተ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየትሐተን። ገላዉኡ ኸኣ ተማሓሐሉሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሐሉሉ ዂሎም ቀተሎም። ደሓር ከኣ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገስዎ። ዮስያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን። ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩይ ምስልታትን ናብ ፍሲ ምስልታትን ኬጽርየን ጀመረ። ነቲ መሰውኢታት በዓል ድማ ኣብ ቅድሚ ኡ ኣፍረስዎ፡ ነቲ ኣብ ለልዕሊኡ ቘይሙ ዝነበረ ምስልታት ጸሓይ ከኣ ቈረጾ፡ ንኣስታርቴታትን ነቲ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስልታትን ድማ ሰባበሮ፡ ኣድቅቕ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ መቓበር እቶም ዝሰውኡሎም በተኖ። ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣንደዶ እሞ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣጽረየን። ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ድማ ክሳዕ ንፍታሌም ኣብ ዙርያኦም ንዘልዋ ኣባይቲ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ብዘላ ሃገር እስራኤልስ መሰውኢታት ኣፍርሶ ንኣስታርቴታትን ንእተጸርበ ምስልታትን ከኣ ሓመድ ክሳዕ ዚኸውን ኣድቀቖ፡ ንዂሉ ምስልታት ጸሓይውን ቈረጾ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ። ኣብ መበል ኦኣሰርተው ሾሞንተ ዓመት ምንጋሱ ኸኣ ነታ ሃገርን ነታ ቤትን ምስ ኣጽረየ፡ ንሻፋን ወዲ ኣጻልያን ንመዓሰያ ሹም እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ፡ እቲ ጸሓፊ ዛንታን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኺጽግንዋ ለኣኾም። ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኣተዉ እሞ፡ ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ ካብ ኢድ ምናሴን ኤፍሬምን ካብቶም ኲሎም ትርፎፍያ እስራኤልን ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ካብ እተቐመጡን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ኣቕራሽ ኣወፈይዎ። ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ልዕሊ ዓየይቲ ቤት እግዚኣብሄር እተሾሙ ወፈይዎ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪጽግንዋን ኬዔርይዋን ዚዐዩ ዓየይቲ ሀብዎም። ነተን ነገስታ ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ ኣግማል ኪገብሩለን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዚኸውን ኣዕጻውን ኪዕድጉለን ንጸረብትን ንሃነጽትን ሀበዎም። እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብእምነት ገበርዎ። ኣብ ልዕሊኦም ንምሕላው እተመዘዙ ሌዋውያን ድማ፡ ካብ ደቂ መራሪ ያሓትን ኣብድያን፡ ካብ ደቂ ቃሃታውያን ከኣ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። ምሳታቶም ከኣ እቶም ብመሳርያ ሙዚክ ፈላጣት ዝዀኑ ሌዋውያን ነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጾር ዚጾሩ ዋናታት ነበሩ፡ ነቶም ንዂሉ ዓይነት ዕዮ ኣገልግሎት ዚዐዩ ኸኣ ሓለውቲ ነበሩ፡ ጸሓፍትን ሓለቓታትን ሓለውቲ ደጌታትን ድማ ካብ ሌዋውያን ነበሩ። ነቲ ኣብ ቤት ዝኣተወ ኣቕራሽ ኬውጽኡ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ሒልቂያ ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ። ሒልቂያ ድማ ንወፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ረኸበዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሒልቂያ ኸኣ እታ መጽሓፍ ንወፋን ሀቦ። ወፋን ድማ ነቲ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኦ፡ ወሲኹ ኸኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ቓል መለሰሉ፡ ኣብ ኢድ እቶም ባሮትካ እተዋህበ ዘበለ ዂሉ፡ ንሳቶም ይገብርዎ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ኣቕራሽ ገልቢጥና ድማ፡ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐይዎን ሀብዎም። ወፋን እቲ ጸሓፊ ኸኣ ንንጉስ፡ ካህን ሒልቂያ ሓደ መጽሓፍ ሂቡኒ ኣሎ፡ ኢሉ ነገሮ። ወፋን ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኡ ኣንበበ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። እቲ ንጉስ ድማ ንሒልቂያን ንኣሒታም ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልዓ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዂሉ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሐለውዎ፡ እቲ ኣባና እተኻዕወ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ፡ ብናይ እዚ ኣብዚ እተረኽበ መጽሓፍ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፈ ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ። ሽዑ ሒልቂያን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነብዪት ሁልዳ፡ ሰበይቲ ወሉም ሓላው ክዳውንቲ ኸዱ፡ ንሱ ወዲ ቶቅሃት፡ ወዲ ሓስራ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩስሌም ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ከምቲ ነገር ገይሮም ተዛረብዎ። ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለዉን ክፉእ ከምጽእ እየ። ማለት እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቡሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ መርገም፡ ከመይሲ ብዂሉ ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐደጉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ዐጠኑ፡ ስለዚ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ተዀዖ ኣይኪጠፍእን ከኣ እዩ። ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ምስ ሰማዕካ፡ እወ፡ ኣብ ቅድመይ ትሕት ኢልካስ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፡ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብዞም ዚነብርዋን ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ድማ ኣዒንትኻ ኣይኪርእያኦን እየን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ኣከቦም። እቲ ንጉስን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዘነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኸኣ ኣስምዖም። እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸይድ፡ ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕሉ፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ከኣ ኪገብሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ብንያምን ንተረኽቡ ዂሎም ድማ ኣብቲ ኺዳን ኣእተዎም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ። ዮስያስ ድማ ካብ ኲለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዂሉ ኣርሐቐ። ኣብ እስራኤል ንተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየግለሱን። ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኣብዐለ፡ ኣብታ መጀመርያ ወርሒ በታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ። ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ መዞም ኣቘሞም፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኬገልግሉ ኣፋጠኖም። ነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዚምህሩ፡ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎም፡ ነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይኪዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። ከምቲ ጽሕፈት ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ከምቲ ጽሕፈት ሰሎሞን ወዱን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ። ከከም ክፍሊ ማይ ቤት ኣቦታት ኣሕዋትኩም፡ እቶም ደቂ ህዝቢ ኣብቲ መቕደስ ቁሙ። ነንማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ሐሓደ ኽፍሊ ይኹን። ፋስጋ ሕረዱ ተቐደሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብሙሴ ምእንቲ ኺገብርዎስ፡ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም። ዮስያስ ድማ ንደቂ እቲ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ ኸሎም ካብቲ መጓሰ ብቚጽሪ ሰላሳ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሽሕ ብዕራይን፡ ኲሎም ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ወፈዮም። እዚ ኻብ ጥሪት ንጉስ እዩ። እቶም መሳፍንቱውን ብፍቓዶም መስዋእቲ ዚኸውን ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሀብዎም፡ ሒልቂያን ዘካርያስን የሒኤልን፡ እቶ ሓልቑ ቤት ኣምላኽ ከኣ፡ ንኻህናት ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ኽልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም። እቶም ሓላቑ ሌዋውያን ድማ፡ ኮናንያን ሸማዕያን ንታንኤልን ኣሕዋቱን ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ንሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ሓሙሽተ ሽህ ገንሸልን ወጠጦን ሓሙሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም። እቲ ኣገልግሎት ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዳለወ፡ ከም ትእዛዝ ንጉስ ድማ ካህናት ኣብ ስፍራኦም፡ ሌዋውያንውን ኣብ ክፍልታቶም ቈሙ። ፋስጋ ኸኣ ሐረዱ እሞ፡ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢዶም እናተቐበሉ ይነስጉ ነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ይጠብሑ ነበሩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሃር ምእንቲ ኬቕርቡሉ፡ ነቶም ናይ ደቂ ህዝቢ ኽፍልታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ኪዕድልዎም፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገበሩ። ነቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፡ ነቲ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ብቚራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፡ ንዂሎም ደቂ እቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ይዕድልዎም ነበሩ፡ ደሓር ድማ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፡ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ብምዕራግ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሒታትን ክሳዕ ለይቲ ዐየዩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ንኻህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ። እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፡ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን የዱቱን ናይ ንጉስ ረኣይን ዝሰርዕዎ፡ ኣብ ስፍራኦም ቈሙ፡ እቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ኣብ ደደጊኦም ቈሙ። ንኣታቶም እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ። ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ በዓል ፋስጋ ኺግበር ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄርውን ዚሐርር መስዋእቲ ኺዐርግን በታ መዓልቲ እቲኣ ዂሉ እቲ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተዳለወ። ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብኡ እተርኽቡ ደቂ እስራኤል በታ ጊዜ እቲኣ በዓል ፋስጋ ገበሩ፡ በዓል ቅጫውን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዐሉ። ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩ፡ ከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ይሁዳን ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤልን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ዘብዐልዎ ፋስጋ ካብ ኲሎም ነገስታት እስራኤል ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን። እዚ በዓል ፋስጋ እዚ ንግዝኣት ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ተገብረ። ድሕሪዚ ዂሉ ዮሳያስ ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣዳለዎ፡ ኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋግእ ተላዕለ፡ ዮስያስ ከኣ ኪገጥመሉ ወጸ። ንሱ ግና ልኡኻት ሰዲዱ በሎ፡ ኣታ ንጉስ ይሁዳ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ ናብታ እትዋግኣኒ ዘላ ቤት ደኣ እየ እምበር፡ ሎሚ ኣይናባኻን እየ ዝመጽእ ዘሎኹ። ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ፡ ንሱ ኸየጥፍኣካስ፡ ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ። ዮስያስ ግና ገጹ ኻብኡ ኣይመለሰን፡ ኤረ ምስኡ ኺዋጋእ ደኣ ኽድውንቱ ለወጠ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጾ ዘረባ ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ለሰ መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ። እቶም ወርወርቲ ኸኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፡ እቲ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ ብርቱዕ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ፡ በሎም። ሽዑ እቶም ገላዉኡ ኻብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብቲ ዝነበሮ ኻልኣይ ሰረገላ ኣሕለፍዎ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ ኣብጽሕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረ። ብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሐዘኑሉ። ኤርምያስ ድማ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፡ ኲሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መልቀሶም ብዛዕባ ዮስያስ ይዛረቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ንስርዓት ገበርዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ልቕሶ ተጽሒፉ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ። ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ሰዐሮ፡ ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ንጉስ ግብጺ ድማ ንሓዉ ኤልያቂም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፡ ስሙውን ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ፡ ንዮኣሓዝ ሓው ግና ነኮ ሒዙ ናብ ግብጺ ወሰዶ። ዮያቂም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ክፉእ ገበረ። ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ደየቦ እሞ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ኢሉ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰሮ። ነግካድነጻር ካብ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ሒዙ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፡ ኣብ መቕደሱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣቐመጦ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ጽያፉን ብእኡ እተረኽበ ዘበለን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ የያኪን ነገሰ። ዮያኪን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ። እታ ዓመት ምስ ሐለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ። ጼድቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሐተን። ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዐለወ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዔ። ብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋ። ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ፡ ፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም። ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም፡ ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም። ንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስን፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ነታ ቤት ኣምላኽ ኣንደድዋ፡ ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረስዎ፡ ኣደራወታ ዘበለ ዂሉውን ብሓዊ ኣንደድዎ፡ ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኡ ድማ ኣጥፍኡ። ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፡ መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ፡ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ዀኑ። እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልስ፡ እታ ምድሪ ኣብ ክንዲ እተን ሰናብታ ኽሳዕ እትከሐስ፡ ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዐለት። እዚ ኸኣ እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ። በታ መጀመርያ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና እቲ ብኣፍ ኤርምያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ። ኣብ ብዘላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፡ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ መንግስትታት ኲላ ምድሪ ሀበኒ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቢ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ። ንቂሮስ ንፉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸአ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ። ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ። ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሑ ኺድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ኹላቶም ከአ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሀብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ። ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከአ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኢ ንሹም ይሁዳ፡ ንሽሽባጸር፡ ፈቒዱ ሀቦ። ፍቕዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ጭሔሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሔሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡ ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸአ ሽሕ። ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም ኪድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ። እቶም ደቂ ሃገር፡ ነቡክነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎም ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ እተመልሱ እዚኣቶም እዮም። እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ሰራያ፡ ርዔላይ፡ ማርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጳር፡ ቢግዋይ፡ ረሑም፡ ባዓና እዮም። ደቂ ፈርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ኣርሓ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ፋሓትሞኣብ ካብ ደቂ እያሱ ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን። ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ዛቱ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ዘካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን። ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን። ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ደቂ ኣዶኒቃም ሹዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን። ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን። ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ኣጤር ካብ ዓሌት ህዝቅያስ ተስዓን ሾሞንተን ፡ ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ዮራህ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን። ደቂ ሓሹም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ጊበር ተስዓን ሓሙሽተን። ደቂ ቤትልሄም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሹዱሽተን። ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። ደቂ ዕዝማዌት ኣርብዓን ክልተን። ደቂ ቂርያትዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን። ደቂ ራማን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ሰብ ቤትኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ሰብ ቤትኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን። ደቂ ኔቦ ሓምሳን ክልተን። ደቂ ማግብሽ ሚእትን ሓምሳን ሹዱሽተን። ደቂ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን። ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን። ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ሰናኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን። ካህናት፡ ደቂ የዳዕያ ካብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን። ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን። ደቂ ፋሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዐተን። ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን። ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱን ቀድሚኤልን፡ ካብ ደቂ ሆዳውያ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን። ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። ደቂ ኣጋፈርቲ፡ ደኢ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን። ነቲነም፡ ደቂ ጸሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣብዖት፡ ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህ፡ ደቂ ፋዶን፡ ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻምላይ፡ ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊዳል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቖዳ፡ ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ ኣሰና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሲም፡ ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ ደቂ ባጽሎት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲስራ፡ ደቂ ታማሕ፡ ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ። ደቂ ገላው ሰሎሞን፡ ደቂ ሰጣይ ፡ ደቂ ሰፋረት፡ ደቂ ፋሩዳ፡ ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደጊ ጊደል። ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶኮረትሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ። ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም። እዚኣቶም ድማ ካብ ተልሜላሕን ካብ ተልሓርሻን ካብ ካሩብኣዳንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ እዮም እሞ፡ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ኪነግሩ ዘይከአሉ፡ ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን። ካብ ደቂ ኻህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ባርዚለይ እዮም። እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይረኽቡን፡ ስለዚ ኸም ርኹሳት ካብ ካህናት ተኸልከሉ። እቲ ቲርሻታ ኸኣ፡ ንኡሪምን ንቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚትንስእ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም። ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓንን ክልተን ሽሕኝ ሰለሰተ ሚእትን ስሳን ነበረ። ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ ንሳቶም ሾብዓተ ነበሩ። ዚዝመሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእቲ ነበርዎም። ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰሳን ሽድሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡ ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ። ገላ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከአ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ቦትኣ ኺሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሀቡ። ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዚኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ብሩር፡ ልብሰ ኽህነት ድማ ሚእቲ ሀቡ። ካህናትን ሌዋውያንን ገላ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ከአ ኣብ ከተማታቶም፡ እስራኤል ድማ ኩላቶም ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት ድማ፡ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም ምስ ተቐመጡ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ሽዑ እያሱ ወዲ ዪጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን ኣሕዋቱን፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርበሉ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ። ነቲ መሰውኢ ኸአ ኣብታ ቦትኡ ኣንበርዎ። በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለው ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣዕረጉ፡ ብጊሓት ምሸትን ኣዕረጉ። ከምቲ ጽሑፍ ድማ በዓል ዳስ ኣብዐሉ፡ ከምቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቑጽሪ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ። ድሕርዚ ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዚስውእዎን ኣዕረጉ። ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ። ንወቐርቲ እምንን ንጸረብቲ ዕጨይትን ድማ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘሎም ገንዘብ ንሲዶናውያናን ንጢሮሳውያንን ዕጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ ምእንቲ ኼምጽኡሎም፡ መብልዕን መስተን ዘይትን ሀቡ። ናብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ካብ ዝመጹ ኸእ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ዘሩባቤል ወዲ ሸአልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያን እቶም ካብ ምርኮ ናብ ዮርሳሌም ዝመጹ ኹላቶምን ኮይኖም ቤት እግዚኣብሄር ከሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከአ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዕዮ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕልው ኣቖምዎም። ሽዑ እያሱ ምስ ደዉን ኣሕዋቱን ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ ከአ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን ሌዋውያን ኮይኖም፡ ነቶም ዕዮ ቤት ኣምላኽ ዚዐዩ ኺሕልው ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ። እቶም ሃነጽቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪስርቱ ኸለው ኸአ እቶም ካህናት ድማ ለቢሶም መለኸት ሒዞም፡ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከአ ጸናጽል ሒዞም፡ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ደው ኢሎም ነበሩ። ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸአ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕሶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ኹላቶም ኸአ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸአ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዕው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ብሓጎስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጎስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኺፈልዩ ኣይከአለን። እቶም ጸላኣቲ ይሁዳን ብንያምን ከአ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዙሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም፡ ንሕና ኸአ ከማኻትኩም ኣምላኽኩም ንደሊ ኣሎና፡ ካብታ ኤሳርሓዶን ንጉስ ኣሶር ናብዚ ዘምጽኣና፡ መዓልቲ ጀሚርና ድማ ንእኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎም። ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት እስራኤልን ግና፡ ንሕናስ ከምቲ ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደአ ንሰርሓሉ እምበር፡ ንስኻትኩም ምሳና ዃንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሕሉ ኣይግብአኩምን እይ በልዎም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፡ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም። ነቲ ምኽሮም ኬፍርሱ ድማ መኻሮ ተሻየጡሎም። እዚ ኸአ ብኹሉ ዘመን ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ። ኣሓሽዌሮሽ ምስ ነገሰ ድማ፡ ብመጀመርታ መንግስቱ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዩዳን ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኽሲ ጸሓፉ። ብዘመን ኣርታሕሻስታ ኸአ ቢሻም፡ ሚትሬዳት፡ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ጸሐፉ። ጽሕፈት እታ ደብዳበ ኸአ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ እሞ፡ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጎመት። ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ኢሎም ኣንጻር ዮርሳሌም ደብዳበ ጸሐፉ። ሽዑ ረሑ እቲ ሹምን ሽምሻይ ጸሓፍን እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ዲናውያንን ኣፋርሳትካውያንን ጣርጳላውያንን ኣፋርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሽሻንካውያንን ዴዳውያንን ኤልማውያንን፡ እቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኦሰናፍር ኣግዒዙ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዘቐመጦም ካልኦት ህዝብታትን እቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር ክንየው ርባን፡…ወዘተ ኮይኖም ጸሓፉ። ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዚ እዩ፡ እቶም ሰብ ስግር ክንየው ርባ ባሮትካ፡ ወዘተ… እቶም ካባኻ ዝደየቡ ኣይሁድ፡ ናባና ኣብ ዮርሳሌም ከም ዝመጹ እሞ ነታ ዓለወኛን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለው፡ መካበብያኣ ኸአ ከም ዝፈጸሙ መሰረታ ድማ ከም ዘጽንዑ፡ ንጉስ ይፍለጥ። ሕጂ ኸአ እዛ ኸተማ እዚኣ እተን ተሰሪሓ፡ መከባቢኣውን እንተ ተሓዲሱ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከም ዘይህቡ እሞ፡ መዝገብ ንጉስ ከም ዚጉዳእ፡ ንጉስ ይፍለጥ። እምበኣርሲ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ ካብ እንበልዕ፡ ጉድኣት ንጉስ ስቕ ኢልና ኽንርኢ ዘይግብኣና እዩ፡ ስለዚ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍለጥናዮ። ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ኣቦታትካ ይመርምሩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝኾነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጎድኤት፡ ካብ ጥንቲ ኸአ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኽትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት። እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደአ ተሰሪሓ፡ መከባብያኦ ኸአ እንተ ተሓዲሱ፡ ስግር ክንየው ርባ ኽፍሊ ኸም ዜብልካ፡ ንንጉስ ንነግር ኣሎና። ንጉስ ኣብ ረሑም ሹምን ኣብ ሺምሻይ ጸሓፍን ኣብቶ ኣብ ሰማርያን ኣብ ካልእን ኣብ ስግር ክንየው ርባ ዝተረፉ ብጾቶምን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፡ ሰላም፡ ወዘተ… እታ ናባና ዝሰደድኩዋ ደብዳበ ብግልጺ ኣብ ቅድመይ ተነቢቡ። ኣነ ድማ ኪምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፡ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ነገስታት ከም ዝተንስኤት፡ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም እተገብረ ተረኸበ። ኣብ ዮርሳሌም ከአ ንስግር ርባ ዝነብረ ኹሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከአ ንኣታቶም ይወሀብ ነበረ። እምበኣርሲ ኻባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወሀብ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ኪሓድጉ፡ እታ ኸተማ ኸኣአ ከይትስራሕ፡ ኣዝዙ። በዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ስለምንታይ እቲ ንነገስታት ዚጎድእ ክፉእ እናበዝሔ ዚኸይድ። እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ ጸሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጾቶምን ምስ ተነበት፡ ቀልጢፎም ናብ ዮርሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፡ ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኮርዎም። ሽዑ ዕዮ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በኾረ፡ ክሳዕ እታ ኻልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከአ በኾረ። እቶም ነብያት ከአ፡ ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ነቶም ኣብ ዩዳን ኣብ ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኣይሁድ፡ ንኣታቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዮሎም። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ተንስኡ፡ ኣብ ዮርሳሌም ቤት ኣምላኽ ኪሰርሑ ኸአ ከመሩ። ምሳታቶም ኮይኖም ድማ ነብያት ኣምላኽ ይድግፍዎም ነበሩ። በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ስግር ክንይወ ርባ መስፍን ዝነበረ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ብጾቶምን መጺኦም ከምዚ በልዎም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሕዋ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ መን አዘዘኩም፡ ሽዑ ኸምቲ ዝኾነ ጊርና ስም እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዝዐየዩ ሰባት ነገርናዮም። ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓአይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ዳርዮስ ክሳዕ ዚግሩን ምላሹ ድማ ብዛዕባኡ ደብዳበ ኽሳዕ ዚመጽእን፡ ነቲ ዕዮ ኣየብኮርዎምን። እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ስግር ክንየው ርባ ዚነብሩ ብጾቶም ኣፍሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ፡ ቅዳሓ እዚ እዩ። ናብኡ ደብዳበ ሰደዱ፡ ኣብኣ ኸአ ከምዚ ተጸሒፉ ነበረ፡ ኩሉ ሰላም ንንጉስ ዳርዮስ። ንሕና ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፡ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸአ ብኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ትንደቕ አላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕጻው ይግበሮ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ብጥንቃቐ ይዕየ፡ ኣብ ኣእዳዎም ከአ ይሰልጠሎም አሎ። ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፡ ነዚ መከባብያዊ እዚውን ክትሕድሱ፡ መን አዘዘኩም፡ ኢልና ጠየቕናዮም። ስም እቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለው ሰባት ምእንቲ ኽንጽሕ ኸነፍልጠካ ኢልና፡ ስሞም ሐተትናዮም። እቲ ዝመለሱልና ቓል ከአ እዚ እዩ፡ ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ተሰሪሓ ዝነበረት፡ ሓደ ዓብዩ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ አእኪልዋ ዝነበረ ቤት ድማ ንሰርሕ ኣሎና። ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣኾረይዎ ግና፡ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣሓሊፉ ሀቦም። ንሱ ኸአ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ። ንቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ኣብ መጀመርታ ዓመቱ ግና እዛ ቤት ኣምላኽ ክትሰራሕ ንጉስ ቄሮስ ኣዘዘ። እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡካድነጽር ካብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ መቕደስ ወሲዱ፡ ናብ መቕደስ ባቢሎን ዚግዐዞ፡ ንጉስ ቂሮስ ካብ መቕደስ ባቢሎን ኣውጽኡ ሸሽባጻር ንዚብሀል መስፍን ገይርዎ ዝነብረ ሀቦ። እዚ ኣቓሑ እዚ ውሰድ እሞ ኪድ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፡ እታ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣብታ ቦታኣ ትሰራሕ በሎ። ሽዑ ሽሽባጻር መጺኡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሰረታ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸአ ክሳዕ ሕጂ ትስራሕ ኣላ፡ ገና ድማ ኣይተፈጸመትን። እምበኣር ንንጉስ ከምዚ እንተ ደአ ባህ ኣቢልዎስ፡ እዛ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽና ክትስራሕ፡ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተአዚዙ እንተ ደአ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዝገብ ንጉስ ይድለ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኸአ ንጉስ ፍቓዱ ይልአኸልና። ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ። ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነምዘከርታ እተጻሕፎ ሐደ ኽታብ ተረኽበ። ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕ፡ መሰረታ ጽኑዕ ይኹን። ቁመታ ስሳ እመት፡ ምግፍሓ ኸአ ስሳ እመት፡ ኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል። እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸአ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ። እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታርቦዝናይ ንስኻትኩም ከአ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ። እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ። ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩ። ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከአ ኪጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ደማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ ዮርሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም። ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከአ ኪጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ደማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ ዮርሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ ኣሎኹ። ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮ። ኣነ ዳርዮስ አዘዝኩ፡ ብጥንቃቐ ይግበርዎ። ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባን፡ ሽታርቦዝናይን እቶም ብዞቶምን፡ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከአ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎ። እታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመት። ደቂ እስራኤል፡ ካህናትን ሌዋውያንን ኩሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብልዐልዎ። ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከአ ሚእቲ ዝራብዕ ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑል፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንኹላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸአ፡ ካህናት በብስርዓቶም፡ ሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣአ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ። ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኩላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ኹላቶምን በልዑ። እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሓጎስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጎስ ኣብዐሉ። ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸአ ብመንግስቲ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ እዝራ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ ሻሎም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ መርዮት፡ ወዲ ዘራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡ ወዲ ኣቢሺዓ፡ ወኢድ ፊንሃስ፡ ወዲ ኤልዓዛር፡ ወዲ ኣሮን ሊቀ ኻህናት፡ እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሀቦ ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ ዝደለዮ ኹሉ ንጉስ ሀቦ። ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ ዘመርትን ካብ ኣጋፈርትን ካን ነቲኒምን ከአ ብሳብዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ምስኡ ናብ ዮርሳሌም ደየቡ። ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ ናብ ዮርሳሌም መጸ። ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ኪድይቡ ጀመሩ፡ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረት፡ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ዮርሳሌም መጸ። እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከአ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ። ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንእዝራ እቲ ኻህን እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል እተዋህበ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ዚጽሕፍ ጸሓፊ፡ ዝሀቦ ደብዳበ ቅዳሓ እዚ እዩ። ካብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ነገስታት፡ ንእዝራ ኻህን፡ ፈላጥ ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ሰላም፡ ወዘተ… ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ዮርሳሌም ኪኸይድ ዚደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ኹሉ፡ ምሳኻ ይኺድ። ኢለ አዚዘ ኣሎኹ። በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ። በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ። በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ። ሕጂ ድማ በዚ ገንዘብ እዚ ጌርኩም ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስቲኦምን ተጊህካ ተሻየጥ እሞ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦ። በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከአ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ። እቲ ንምግልጋል ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቓሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዮርሳሌም ሀብ። ንቤት ኣምላኽካ ዜድሊ ኽትህብ ዚግብኣካ ኻልእ ነበር ከአ ካብ ቤት መዝገን ንጉስ ሀቦ። ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብሪ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዚድልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከአ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሀብዎ። ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብሪ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዚድልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከአ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሀብዎ። እቲ ኣምላኽ ሰማይ ዝአዘዞ ዘበለ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ንጥንቃቐ ይወሀብ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቁጥዓ ዚመጽእ። ንኹሎም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ነዚ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፡ ገለ ግብርን ፈሰስን ተጎን ኪወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣሎና። ንስኻ እዝራ ድማ፡ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ኽንየው ርባ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ዚዳንዩ፡ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዚፍልጡ ኹላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ግበረሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ከአ ምሀርዎ። ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይገብሮ ኸአ ውይ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ። ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቑ አከብኩ። ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቑ አከብኩ። እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፡ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸኣአ መጽሓፍ ወለዶኦም እዚ እዩ፡ ካብ ደቂ ፊንሃስ፡ ጌርሾም ካብ ደቂ ኢታማር፡ ዳንኤል፡ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ። ካብ ደቂ ሽካንያ፡ ካብ ደቂ ፈርዖሽ፡ ዘካርያስ ከምቲ ጽሕፈት ወለዶኦም ከአ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ተባዕታይ ተቖጽሩ። ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ፡ ኤልይሆዔናይ ወዲ ዘራሕያ፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸአ ሰለስተ ሚእቲ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፡ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡውን ሓምሳ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ዔላም ከአ፡ ይሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡውን ሰብዓ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ሽፈጥያ ድማ፡ ዛብድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡውን ሰማንያ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ዖባድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ተባዕታይ። ካብ ደቂ ሸሎሚት ከኣ፡ ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ተባዕታይ። ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡውን ዕስራን ሶሞንተን ተባዕታይ። ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፡ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ተባዕታይ። ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕሮት ስሞም እዚ እዩ፡ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶምውን ስሳ ተባዕታይ። ካብ ደቂ ቢግዋይ ከኣ፡ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶምውን ሰብዓ ተባዕታይ። ናብ ኣሃዋ ኣቢሉ ናብ ዚውሕዝ ርባ ድማ ኣከብክዎም ኣብኡ ሰፊርና ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ገበርና። ኣብ ህዝብን ኣብ ካህናትን ድማ ደሌኹ እሞ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ሽዑ ሓላቑ፡ ንኤሊዔዝር፡ ንኣሪኤል፡ ንሸማዕያ፡ ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን፡ ነቶም መምህራን ከአ፡ ንዮያሪብን ንኤልናታንን ጸዋዕኩ። ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፡ ናብ ኢዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ካሲፍያ ዝነበሩ ኢዶን ኣሕዋቱነቲኒምን ንቤት ኣምላኽ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኺሰዱልና ኸአ፡ ኪዛረብዎ ዚግብኦም ቃላት ኣብ ኣፎም ኣንበርኩ። ከምታ ኣብ ልዕሌና ዝነበረት ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኸአ፡ ካብ ደቂ ማሕሊ ኣዝዩ ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ሸረብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ሾሞንተ ኣምጽኡልና። ሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ይሻዕያ ኻብ ደቂ መራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ። ካብ ነቲኒም ድማ ዳዊትን ሓላቑን ንሌዋውያን ኬገልግሉ ዘመዘዝዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ነቲኒም፡ ነዚኣቶም ኩላቶም በብስሞም እተጸውዑ ሰደዱልና። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ኹላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ኹላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ። ብዛዕባ እዚ ኸአ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና። ካብ ሊቃነ ኻህናት ከአ ዓሰርተው ክልተ፡ ሸረብያን ሓሻብያን፡ ምሳታቶም ድማ ካብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈሌኹ። እቲ ንጉስን መማኽርቱን ሓላቑኡን፡ እቶም ካብ እስራኤል እተረኸቡ ኹላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ህያቦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዘንኩሎም። ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸአ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሔሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሔ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሀብክዎም። ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸአ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሔሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሔ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሀብክዎም። ንኣታቶም ድማ፡ ንስኻትኩም ንእግዚብሄር እተቐደስኩም ኢኹም፡ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣትትኩም ናይ ፍቓድ ህያብ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ቅድሚ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቂቑን ሓልውን፡ በልክዎም። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ናብ ዮርሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኺወስድዎ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ብሚዛን ተቐበሉ። ብቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸአ ናብ ዮርሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ርባ ኣሃዋ ተለዐልና። ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት እሞ ኣብ መገዲ ኻብ ኢድ ጸላእን ካብ ድብቕን ኣድሐነትና። ናብ ዮርሳሌም ድማ በጻሕና፡ ኣብኣ ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥና። በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ብሩርን ወርቅን እታ ኣቓሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ መሬሞት ወዲ ኻህን ኡርያ ተመዝነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ ነበረ፡ ምሳታቶም ከአ እቶም ሌዋውያን ዩዛበድ ወዲ እያሱ፡ ኖዓድያ ወዲ ቢኑእ ነበሩ። ኩሉ ተቖጽረን ተመዝነን፡ በቲ ጊዜ እቲ ኸአ ኩሉ እቲ እተመዝነ ተጻሕፈ። እቶም ኣብ ምሮኮ ነይሮም ዝመጹ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዓት ስለ ኹሎም እስራኤል፡ ተስዓን ሹዱሽተን ድዑል፡ ሰብዓን ሾብዓተን ገንሸል፡ ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኸአ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዚ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ነበረ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ስግር ክንየው ርባ ንዝነበሩ መሳፍንትን ሀብዎም። ንሳቶም ከአ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ። እዚ ነገር እዚ ምስ ተወድኤ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ ኤረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው። እዚ ኸአ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሀገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ። ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፡ ጸጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከአ ነጼኹ፡ ሐዚነ ድማ ኮፍ በልኩ። ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዚፈርሁ ኹላቶም ብዛዕባ ዓመጻ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ናባይ ተአከቡ። ኣነ ኸአ ክሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዒ ሐዚነ ኾፍ በልኩ። ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ። በልኩ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ ዓመጻና ኸአ ክሳዕ ሰማይ ዐብዩ እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን። ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዩ ዓመጻ ኣሎና። ብዛዕባ በደልና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፡ ሎሚ ኸም ዝኾነ፡ ንሴፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገጽን ክንከውን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተወሀብና። ሕጂ ድማ ገለ ተረፍ ኪሐድገልና ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሸኻል ክሀበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኼብርሃልናን፡ ኣብ ባርነትና ድማ ገለ ቕሩብ ትንፋስ ኪህበና፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ምሕረት ኮነልና። ንሕና ባሮት ክነስናስ፡ ቤት ኣምላኽና ኽነቕውም ነቲ ዑናኡ ኸአ ክንሕድስ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ሓጹር ምእንቲ ኺወሀበና፡ ንሳቶም ትንፋስ ኪህቡናስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረት መለሰልና እምበር፡ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን። ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡ ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡ ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡ እቲ ብድሕሪ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዩ ዓመጽናን ዝረኸበና ኹሉ ነገር፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና፡ ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከአ ዝሀብካናስ፡ መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዚገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፡ ዚተርፍን ዚመልቑን ዜልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቑጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፡ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና፡ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዐመጽና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል የልቦን። እዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተአከበ። እቲ ህዝቢ ኸ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ። ካብ ደቂ ዔላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸአ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ አሎ። እምበአርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁን፡ ከምቲ ሕጊ ድማ ኪግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንአቱ። እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና። ሽዑ ኸአ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንኹላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከአ መሐሉ። እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸአ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ይበልዔን ማይ ኣይሰተየን። እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ ዮርሳሌም ኪእከቡ ድማ ኣብ ዩዳን ኣብ ዮርሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ። ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ። በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኩሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኩሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣአብቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እዝራ ኻህን ከአ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም። ሕጂ ኸአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣታትኩ ተናዘዙ፡ ፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ንስትን ተፈለዩ በሎም። ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ። እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን። እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽናኣ ኻባና ኽሳዕ ዚምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለው፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ። ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከአ ሓገዝዎም። እቶም ደቂ ምርኮ ኸአ ከምኡ ገብሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኩላቶም በብስሞም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ። ካብ ደቂ ኻህናት ከአ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን ኤሊዔዘርን ያሪብን ገዳልያን፡ ንሳቶም ኪሰዱ ኣእዳዎም ሀቡ። በደልቲ ኾይኖም ከአ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ። ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን። ካብ ደቂ ሓሪም ከአ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዚያን። ካብ ደቂ ጳሽሑርውን፡ ኤልዮዔናይ፡ ማዕሰያ፡ እስማዔል፡ ንታንኤል፡ ዮዛባድን ኤልዓሳን። ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያ፡ ይሁዳ፡ ኤልዔዘር ከአ። ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውን፡ ሻሎምን ጠለምን ኡሪን። ካብ እስራኤል ከአ ካብ ደቂ ፋርዖሽ፡ ራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን። ካብ ደቂ ዔላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን። ካብ ደቂ ዛቱውን ኤልዮዔናይ” ኤልያሺብ፡ ማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን። ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን። ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክ፡ ዓዳያ፡ ያሹብ፡ ሸኣልን ይራሞትን። ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ ከአ፡ ዓድና፡ ክላል በናያ ማዓሰያ፡ ማታንያ ብጻልኤል፡ ቢኑኢን ምናሴን። ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዔዘር ዮሺያ፡ ማልኪያ፡ ሸማዕያ፡ ሽምዖን፡ ቢንያሚን፡ ማሉክ ሽማርያ። ካብ ደቂ ሑሹም መትናይ፡ ማታት፡ ዛባድ ኤልፈለጥ፡ ይሬማይ ምናሴ፡ ሺምዒ። ካብ ደቂ ባኒ፡ ማዓዳይ፡ ዓምራም፡ኡኤል ከአ፡ በናይ፡ ቤድያ፡ ክሉሂ፡ ዋንያ፡ መሬሞት፡ ኤልያሺብ፡ ማታንያ፡ ማትናይ፡ የዓሳው ድማ፡ ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን፡ ሸለምያን ናታንን ዓዳያን፡ ማክናድባይ ሸሻይ፡ ሻራይ፡ ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን። ሻሎም፡ ኣምርያ፡ ዮሴፍ። ካብ ደቂ ኔቦ፡ ይዒኤል፡ ማቲትያ፡ ዛባድ፡ ዘቢና፡ ያዳይ፡ ዮኤልንን በናያን። እዚኣቶም ኩሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ። ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ። ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም። ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ። ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ። በልኩ ኸአ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ዓብዩን መፍርህን ኣምላኽ፡ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡ እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላ፡ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን። በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክር፡ እንተን በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸአ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ። ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ። ኮነ ኸአ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ብወርሒ ኒሳን፡ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ነበረ፡ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸአ፡ ንንጉስ ሀብክዎ። ቀደም ኣብ ቅድሚኡ ጉሀይ ኣይነበርኩን። እቲ ንጉስ ከአ፡ ዘይሐመምካ ኽነስኻ ገጽካ ጉህዩ፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኮነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ በለኒ። ሽዑ ኣዝየ ፈርህኩ። ንንጉስ ከአ፡ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር፡ እታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳ፡ ደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደአ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልም፡ በልክዎ። እቲ ንጉስ ከአ፡ እንታይ እሞ ትደሊ፡ በለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ። ንንጉስ ድማ፡ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደአ ኣሐጉሱካስ ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ በልክዎ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ፡ መኣዝከ ትምለስ፡ በለኒ። ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቖሪጸ ነገርክዎ፡ ኢ ነቲ ንጉስ ባህ ኣበሎ ሰደደኒ ኸአ። ንንጉስ ድማ፡ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ፡ ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝአቱ ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ፡ ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሀበኒ፡ ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትን፡ ነታ ኸተማ ኸኣአ መካበብያን ኣነ ንዝአትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ኪህበኒ፡ ደብዳቢ ሀበኒ በልክዎ። ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ዝነበረት ከአ፡ ንጉስ ሀበኒ። ናብ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ ድማ መጻእኩ። እቲ ናይ ንጉስ ደብዳቤታት ከአ ሀብክዎም። እቲ ንጉስ ድማ ሓላቑ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ፡ ዓብዩ ጓሂ ጓሀዩ። ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ፡ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ። ኮነ ኸአ ብለይቲ ተንሳእኩ፡ ሒደት ሰባትውን ምሳይ ነበሩ። እቲ ኣነ ንዮርሳሌም ክገብረላ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሀበኒ ኸአ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። ብዘይ እታ ኣነ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንሳሳ ኸአ ካልእ እንስሳ ኸአ ምሳይ ኣይነበራንን። ብለይቲ ድማ በታ ስንጭሮ ደገ ወጻእኩ፡ ኣብ መንጽር ዔላ ገበልን ኣብ ደገ መጉሓፍን ኣቢለ ኸአ፡ እቲ ወድኣ ደጌታትን ርኤኹ። ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓጽቢ ንጉስን ከአ ሐለፍኩ። እታ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ሰአንኩ። ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ርባ ርባ እናደየብኩ ነቲ መካበብያ እርእዮ ነበርኩ። ተመሊሰ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ አቶኹ፡ ከምዚ ኢለ ተመለስኩ። እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን። ሽዑ ኣነ፡ ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሓሳረ መከራ ኸም ዘሎና ንስኻትኩም ትርእዩ ኣሎኹም፡ ዮርሳሌም ባዲማ፡ ደጌታታ ኸአ ብሓዊ ተወዲኤን። እምበኣርሲ ንድሕርዚ መላገጺ ኸይንኸውን፡ ንዑናይ፡ መካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕ፡ በልክዎም። እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝኾነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንልዐል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን። ሳንባላጥ እቶ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልና ነዐቑናን እሞ፡ እዚ ንስኻትኩም እትገብሮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዐልዉ ትደልዩ ኣሎኹም ድማ በሉ። ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ቦሮቱ ተንሲእና ኽንዐዩ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም። ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከአ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸአ፡ መዓጹኡውን ኣቁሙሉ። ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ። ሰብ ያሪኮ ኸአ ኣልጊቦም ነደቑ። ዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ። ደቂ ሰናኣ ድማ ደገ ዓሳ ነደቑ፡ ልዳት ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ኸአ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ድማ ገበሩሉ። መሬሞት፡ ወኢ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ከአ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። መሹላም ወዲ በረክያ፡ ወዲ መሻዛብኤል ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። ተቆዓውያን ከአ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብቲ ዕዮ ጎይትኦም ኣየበሉን። ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ ቦሳድያን ከአ ነቲ ኣረጊት ደገ ኣዐረይዎ፡ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ምሳታቶም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን ያዶን እቲ መሮኖታውን እቶም ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን ንመንበር መስፍን ክንየው ርባ ዚግዝኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ። ቡዙኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸአ ምስኡ፡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ሃናንያ ኻብቶም ገብርቲ ሽቱ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ንዮርሳሌም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ትኹን ሓደግዋ። ረፋያ ወዲ ሁር፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ዮርሳሌም ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ጸገነ። የዳያ ወዲ ሓሪማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ሓጡሽ ወዲ ሓሻብ ኒያ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ማልኪያ ወዲ ሓሪምን ሓሹብ ወዲ ጳሓትሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግምቢ እቶንን ኣዐረዩ። ሻሎም ወዲ ሃሎሔሽ፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌም፡ ንሱን ኣዋልዱን ከአ ምስኡ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። ሓኑንን ኣብ ዛኖኣሕ ዚነብሩን ንደገ እቲ ለሰ ኣዐረይዎ፡ ንሳቶም ንደቕዎ፡ መዓጺኡ ድድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ናይቲ መካባብያ ኸአ ክሳዕ ደገ እቶ ጎዱፍ ሽሕ እመት ሰርሑ። ማልክያ ወሲ ሬካብ፡ ሓላቓ ግዝኣት ቤት ሃካሬም ከአ ንደገ ጎዱፍ ኣዐየ። ንሱ ነደቖ መዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ሻሉን ወዲ ኮልሖዜ፡ ሐለቓ ግዝኣት ሚጽጳ ድማ ንደገ ዔላ ኣዐረዮ፡ ንሱ ነደቖ ኸደኖ ኸአ፡ ንመዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበረሉ፡ ድማ መንደቕ እቲ ምስቲ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ሓጽቢ ሽላሕ፡ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዜውርድ መሳልል ሰርሔ። ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፡ ሐለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቤትጹር፡ ክሳዕ መንጽር መቓብራት ዳዊትን ክሳዕ እቲ ብጥበብ እተሰርሔ ሓጽብን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ሌዋውያን፡ ሬሑም ወዲ ባኒ ኣዐረዮ። ምስኡ ሓሽብያ፡ ሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ፡ ኣብ ክንዲ ግዝኣቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሔናዳድ፡ ሓለቓ እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ ኣዐረዩ። ዔዘር ወዲ የሹዓ፡ ሓለቓ ሚጽጳ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ቤት ኣቕሑ ዜደይብ፡ ኣብቲ መአዝን ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መአዝን ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ ቤት ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ መሬሞት ወዲ ኡርያ፡ ወዲ ሃቆጽ፡ ካልእ ክፍሊ ኻብ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሺብ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ኸአ እቶም ካህናት፡ እቶም ናይቲ ጎልጎል ሰባት ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ኣዛርያ፡ ወዲ ማዓሳያ ወዲ ዓንናንያ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያ ኽሳዕ እቲ መኣዝንን ክሳዕ ካልእ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕላይ ቤት ንጉስ ውጹእ ዘሎ ግምብን ኣብ ጥቓ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ጳዳያ ወዲ ጳርዖሽ ኣዐረየ። እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ። እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ። ብድሕሪኡ እቶም ተቖዓውያን ካልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ውጹእ ዓብዩ ግምብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልብ ኣዐረዩ። እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገ ኣፍራስ ዘሎ መመንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ጻዶቅ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ድማ ሽማዕያ ወዲ ሸካንያ፡ ሓላው ደገ ምብራቕ፡ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን ሳዳይ ወጺ ጸላፍን ካልእ ክፍሊ ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ መሹላም ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ማልክያ፡ ወዲ እቲ ኣንጠረኛ ወርቂ፡ ክሳዕ ቤት እቶም ነቲኒምን ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንጽር ደገ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መአዝን ኣዐረየ። ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ከአ ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መአዝንን ኣብ መንጎ ደገ ኣባጊዕን ዘሎ ኣዐረዩ። ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔ፡ ተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም። ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፡ ኪስውኡዶ እዮም፡ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፡ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፡ ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸአ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ኪፈርስ እዩ፡ በለ። ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ። እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸአ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ። እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸአ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ። ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ኪዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቖጥዑ። ኩላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ኪወግኡን ኬሸብሩን ተማሓሓሉ። ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸአ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና። ይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ። ኮነ ኸአ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና። ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም። ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ዝሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም። ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና። ኮነ ኸአ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙ። እቶም ሓላቑ ኸአ ብድሕሪ ኹላቶም በኢት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ። እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ። ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣሎና፡ ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም። ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹ፡ ኩናውቲ ሐዙ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም። ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ። እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡና፡ ዚብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይ ንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ። ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይ ንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ። ኣነ ኸአ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ተቐጣዕኩ። ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አለኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸአ፡ ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጀዮምናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምሶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። ኣነ ኸአ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡ ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም ኣሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም። ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሓልክዎም። ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኩሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እዎ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸአ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ። ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተአዘዝኩላ መዓልቲ፡ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዚግባእ እንጊራ ኣይበላዕናን። እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይገበርኩን። ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸአ ኤዔሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኩሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ። ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአሰይ ይምገቡ ነበሩ። ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን። ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ኹሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ። ኮነ ኸአ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ገሽም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕክዎ፡ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ኸአ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡ ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓጹ ኣብቲ ደጊታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ። ሳንባላጥን ገሸምን ከአ፡ ንሳቶም ክፉእ ኪገብሩኒ ሓሲቦም ነበሩ እሞ፡ ንዓ፡ ኣብ ጎልጎል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ፡ ኢሎም ለአኹለይ። ኣነ ድማ፡ ኣነስ ዓብዩ ዕዩ እዐዩ አለኹ እሞ ክወርድ ኣይከአለንን፡ ሰልምንታይ ፡ ነቲ ዕዮ ሓዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ፡ ንሱ ኺበኩር እዩ፡ ኢለ ለአኽኩሎም። እዚ ነገር እዚ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ለአኹለይ። ኣነ ኸአ ንኣታቶም ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይረ መለስኩሎም። ሽዑ ሳንባላጥ ከምዛ ነገር እዚኣ ኽፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ፡ ሓምሳይ ጊዜ ጊልያኡ ለአኸለይ። ኣብኣ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ጋሽሙ ኸአ ይብሎ ኣሎ። ምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ከም ዝደሌኻውን፡ ይብሀል ኣሎ። ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ፡ ኢሎም ዚእውጁ ነብያት ኣቕምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ኪስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓ፡ ብሓንሳእ ዃንና ንማኻኸር። ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነን፡ ኢለ ለአኽኩሉ። ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪድኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም፡ እናበሉ ኹላቶም ኬስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸአ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ። ኣነ ኸአ ናብ ቤት ሻማዕያ፡ ወዲ ደለያ ወዲ መሄጣብኤ፡ ኣቶኹ። ንሱ ድማ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ፡ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ደገ ቤት መቕደስ ንዕጸዎ፡ በለኒ። ኣነ ኸአ ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሀድም፡ ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩ፡ ኣነስ ኣይአቱን፡ በልኩ። ጦብያን ሳንባላጥን ደአ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሐቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ። ጦብያን ሳንባላጥን ደአ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሐቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ። ዎ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን ንሳንባላጥን ንኖኣድያ ነብዩትን ነቶም ዝተረፉ ዚፋራርሁኒ ነብያትን ብዛዕባ እዚ ግብሮም እዚ ዘክሮም። እቲ መካባብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል በመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ፡ ተፈጸመ። ኮነ ኸአ፡ ኩሎም ጸላእትና ምስ ሰምዕዎ፡ ኣብ ዙርያና ዚነብሩ ኹሎም ህዝብታት ፈርሁ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተፈጸመ ፈለጡ እሞ፡ ኣብ ኣዒንቶም ሕሊናኦም ዐረቦም። በተን መዓልትታት እቲኤን እቶም ከበርተ ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፡ ካብ ጦብያ ድማ ናባታቶም ይመጽእ ነበረ። ከመይሲ ጦብያ ምስ ሸካንያ ወዲ ኣራህ ሕምነት ነበሮ፡ ዮሓናን ወዱ ኸአ ጓል መሹላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ተማሓሒሎም ነበሩ። ብሕያውነቱ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፡ ዘረባይ ከአ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ድማ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳቤታት ሰደደ። ኮነ ኸአ፡ እቲ መከባብያ ምስ ተነድቀ፡ መዓጹ ኣቖምኩሉ፡ ሐለውቲ ደገን ዘመርትን ሌዋውያንን ድማ ኣብ ዔዕዮኦም ተመዘዙ። ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ኣብ ግምቢ ሓለቓ ዝነበረን፡ ንሱ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለጸ እሙንን ፈራህ ኣምላኽን ነበረ እሞ፡ ኣሕሉቕ ዮርሳሌም ገበርክዎም። ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዚመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከአ ገና እቶም ሐለውቲ ደው ኢሎም ከለው፡ ኪዕጾን ኪሽጎርን፡ ነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ ቀቅድሚ ቤቱ ይሐሉ። በልክዎም። እታ ኸተማ ኸአ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማኣከላ ዚነብሩ ዝህዝቢ ግና ሒዶት ነበሩ፡ እተን ኣባይቲ ድማ ኣይተሰርሓን ነበራ። ነቶም ከበርተን ንሹማምትን ንህዝብን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ኺጸሓፉ፡ ክእክቦም ድማ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ሀበኒ። ናይቶም ቅድም ዝደየቡ ኸአ እቲ መጽሓፍ ወለዶታት ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸአ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ረኸብኩ። እቶም ደቂ ሃገር ነቡክነጸር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ፡ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ፡ እዚኣቶም እዮም፡ እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ዓዛርያ፡ ራዓምያ፡ ናሓማኒ፡ ሞርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጵረት፡ ቢግዋይ፡ ነሑም፡ ባዓና። ቁጽሪ ሰብ ህዝቢ እስራኤል እዚ እዩ፡ ደቂ ፋርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን። ደቂ ኣራሕ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተ። ደቂ ፋሓትሞኣብ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን። ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ዛቱ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ዛካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን። ደቂ ቢኑኢ ሹድሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን። ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። ደቂ ዓዝጋድ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ደቂ ኣዶኒቃም ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሾብዓተን። ፦ ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ስሳን ሾብዓተን፡፡ ደቂ ዓዲን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን። ደቂ ኣጤር፡ ካብ ዓሌት ህዝቅያስ፡ ተስዓን ሾሞንተን። ደቂ ሓሹም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተ። ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን። ደቂ ሓሪፍ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን። ደቂ ጊብዖን ተስዓን ሓሙሽተን። ሰብ ቤትልሄምን ነጦፋን ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን። ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። ሰብ ቤትዓዝማዌት ኣርብዓን ክልተን። ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን። ሰብ ራማህን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን። ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ክልተን። ሰብ ቤትኤልን ዓይን ሚእትን ዕስራን ሰለሰተን። ደቂ ኻልአይቲ ኔቦ ሓምሳን ክልተን። ደቂ ኻልኣይቲ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን። ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። ደቂ ሎድን ሓዲድን ኣኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን። ደቂ ሰናእህ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን። ካህናት ድማ፡ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን። ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን። ደቂ ፈሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን። ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን። ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱ፡ ካብ ቃድሚኤል፡ ካብ ደቂ ሆዴዋ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን። ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን። ሓለውቲ ደገ፡ ደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደኢቅ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ ሚእትን ሰላሳን ሾሞንተን። ነቲኒም፡ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡ ደቂ ቂሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡ ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡ ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረአያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡ ፦ ደቂ ጋዛም ደቂ ዑዝ ደቂ ፋሴሓ ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሽሲም፡ ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ ድቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡ ደቂ ነጺሓ፡ ደቂ ሓጢፋ፡ ደቂ ገላው ሰሎሙን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሶፌሬት፡ ደቂ ጰሪዳ፡ ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ሽፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ፎክሬትሓጸባይም፡ ደቂ ኣሞን። ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም። እቶም ካብ ቴልመላሕን ካብ ቴልሓርሻን ካብ ክሩብኣዶንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ ድማ እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ንሳቶም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ካብ እስራኤል ምዃኖም ኬፍልጡ ኣይከአሉን፡ ደቂ ደለያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን። ካብ ካህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚለይ፡ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚለይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ እሞ ብስሞም እተሰምየ እዩ፡ እዚኣቶም መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይተረኸበን፡ ስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ። እቲ ቲርሻታ ከአ ብኡሪምን ቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚሽየም፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም። ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ። ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ እዚኣቶም ሾብዓተ ሽሕን ስለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ዚዝምሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም። ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሹዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡ ኣግማል ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበርዎም። ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቲ ዕዮ ህያብ ሀቡ። እቲ ቲርሻታ ነቲ መዝገብ ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓምሳ ጽዋእ፡ ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ክዳን ካህናት ሀበ። ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዕስራ ሽሕ ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕን ዳታለንት ብሩርን ሀቡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዝወፈይዎ ኸአ ዕስራ ሽሕን ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ስሳን ሾብዓተን ክዳን ካህናትን እዩ። ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን ገሊኡ ህዝብን ነቲኒምን ኩላቶም እስራኤልን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ በጽሔት ድማ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኦም ነበሩ። እቶም ህዝቢ ኹላቶም ከአ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ ተአከቡ። ንእዝራ እቲ ጸሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝአዘዞ መጽሓፍ ሕጊ ሙዌ ኼምጽአሎም ተዛረብዎ። ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸአ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኩላቶምን ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ። ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸአ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ኹላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። ኣእዛን ኩሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኺሰምዕ ጽን ይብል ነበረ። እዝራ እቲ አሓፊ ኸአ ኣብ ልዕሊ እቲ ነዚ ነገር እተሰርሔ ጸፍጻፍ ዕጨይቲ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድማ ማቲትየን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቂያን ማዓሰያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸአ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልኪያን ሓሹምን ሓሽባዳናን ዘካርያን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ። እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኾይኑ አነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ገንጸሎ። ምስ ገንጸሎ ኸአ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ። እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኩሎም ህዝቢ ኸአ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ። ድማ እያሱን ባኒን ሸረብያን ያሚን፡ ዓቁብ፡ ሻብታይ፡ ሖዲያ፡ ማዓሰያ፡ ቀሊጣ፡ ዓዛርያ፡ ዮዛባድ፡ ሓናን፡ ጵላያ፡ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቦታኦም ደዊ ኢሎም ነበሩ። ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበበሎም፡ እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጸሎም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለው። ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን፡ እቶም ህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንኹሉ እቲ ህብዚ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም። ንሱ ኸአ ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ፡ ዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከአ ግዲኦም ስደድሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩ፡ በሎም። እቶም ሌዋውያን ከአ ንኹሎም እቶም ህዝቢ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፡ ኣይትጉሀዩ፡ ኢሎም ኣህድእዎም። ኩሎም እቶም ህዝቢ ድማ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ፡ ኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታን ከአ ኪሰዱን ዓብዩ ሓጎስን ኪሕጎሱ ኸዱ። እታ ኻልአይቲ መዓልቲ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ኹሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኺምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተአከቡ። ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸአ ደቂ እስራኤል ካብ ዳስ ኪቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ። ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸአ ደቂ እስራኤል ካብ ዳስ ኪቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ። ሽዑ እቶም ህዝቢ መጺኦም ኣምጽኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ መካበብያቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ኤፍሬምን ዳስ ሰርሑ። ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ከአ ዳስ ሰሪሖም፡ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ደቂ እስራኤልሲ ካብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀኢሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሓጎስ ኮነ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ኣንበቦ። ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዐሉ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ኾነ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ኩሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩ። ደው ኢሎም ከአ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ። ኣብታ ስፍራኣኦም ኮፕይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ። ኣብታ ስፍራኣኦም ኮፕይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ። እያሱ፡ ባኒ፡ ቃድሚኤል፡ ሸባንያ፡ ቡኒ፡ ሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉ፡ ብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑ። እቶም ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ፡ ቃድሚኤል፡ ባኒ፡ ሓሻብንያ፡ ሸረብያ፡ ሆዲያ፡ ሸባንያ፡ ፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉ፡ ተንሲኡ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለአለም ክሳዕ ዘለአለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹ በረኸትን ምስጋናን ካብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኣ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኩሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ኹሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ኹሉ ብህይወት እተንብሮ ኸአ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ። ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻ፡ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካ፡ ስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ። ልቡን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነአናውያን፡ ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ። ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸአ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ። ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸአ ኣውያቶም ሰማዕካ። ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩሎም ገላውኡን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ። ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮ፡ ብማእከል ባሕሪ ኸአ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮም። ኣብቲ ዚኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም። ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸአ ወረድካ፡ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከአ ሀብካዮም። እታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮም፡ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከአ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም። ንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሀብካዮም፡ ንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኺወርስዋ ድማ ናብኣ ኺአትው ተዛረብካዮም። ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዐበዩ፡ ክሳዶም ድማ ኣትረሩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን። ምስማዕ ኣበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከአ ኣይዘከሩን፡ ክሳውዶም ደአ ኣትረሩ፡ ብልዕውቶም ናብታ ባርነቶም ኪምለሱ፡ ሓላቑ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሐርን ኢኻ፡ ንኹራ ደንጓዩ፡ ብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሓደግካዮምን። ፍሰሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ኣዝዮም ኣኾረዩኻ። ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፡ ብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ዚኸዱላ መገዲ ኼብርሃሎም ከአ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቑን። ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮም። ማናኻ ኸአ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካን፡ ንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮም። ኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካ፡ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠን። መንግስትታት ህዝብታትን ከአ ሀብካዮም፡ ግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሔሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱ። ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮም፡ ናብታ ነቦታቶም ከአትውዋን ኪወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮም። እቶም ደቂ ኸአ ኣተውዋ እሞ ነታ ሀገር ወረስዋ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዝደለዩ ኺገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም። እተዐርዳ ኸተማታትን ረጉድ ምድርን ከአ ሐዙ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱን። ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዐለውን፡ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ዝመዐድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ። ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብጊዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸአ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀብካዮም። ዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸአ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም። ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮም። ንሳቶም ግና ተዐበዩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉ፡ ፍርድታትካውን በደሉ፡ መንኮቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑን። ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮም፡ ነብያትካ ጌርካ ኸአ ብመንፈስካ መዐድካዮም፡ ኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮም። ግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምን። ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉ፡ ዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ኾይኑ ኣይረኤኻ። ንስኻስ በቲ ኣቦና ዝመጻ ኹሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሓና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ። ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩን፡ ንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሐለውን። ኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሀብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሀብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻን፡ ኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን። እንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና ኣሎና። እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነግስታት ተብዝሓሎም ኣላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለው። ንሕና ኸአ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና። በዚ ኹሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ። እቶም ዚሐትሙ ኸአ እዚኣቶም እዮም፡ ነህምያ፡ እቲ ቲርሻታ ወዲ ሓካልያን ጺድቂያን፡ ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያ፡ ጳሽሑር፡ ኣምርያ ማልኪያ፡ ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡ ሓሪም፡ መሬሞት፡ ዖባድያ፡ ዳኒኤል፡ ጊንቶን፡ ባሩክ፡ መሹላም፡ ኣቢያ፡ ሚያሚን፡ መዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፡ እዚኣቶም ካህናት እዮም። ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ ወዲ ኣዛንያ ቢኑይ ካብ ደቂ ሔናዳድ፡ ቃድሚኤል፡ ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡ ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሽብያ፡ ዛኩር፡ ሸረብያ፡ ሸባንያ፡ ሆዲያ፡ ባኒ፡ በኒኑ። ሓላቑ እቲ ህዝቢ፡ ጳርዖሽ፡ ጳሓትሞኣብ፡ ዔላም፡ ዘቱ፡ ባኒ፡ ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡ ኣዶንያ፡ ቢግዋይ ዓዲን ኣጤር፡ ሕዝቂያ፡ ዓዙር፡ ሆዲያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡ ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡ ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሔዚር፡ መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡ ጳላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡ ሆሺዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡ ሃሎሔሽ፡ ጺልሓ፡ ሸቤቅ፡ ሬሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓሰያ፡ ድማ ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡ ማሉክ ሓሪም ባዓና። እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ኹላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኩሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡ እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸአ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ። እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸአ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ። እቶም ህዝብታት እታ ሃገር በብዓይነቱ ሸቕጥን እኽልን፡ ብመዓልቲ ሰነብት ኪሸጥዎ ኢሎም ዘምጽእዎ፡ በመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካባታቶም ኣይንሻየጥ በብሳብዐይቲ ዓመት ከአ እታ ምድሪ ትዕረፍ ንሕደጋ፡ ነቶም ሰብ ዕዳውን ንሕደገሎም፡ በልናል ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓልትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና። ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓልትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና። ብዛዕባ እቲ ምውፋይ ዕጨይቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺነድድሲ፡ በብማይ ቤት ኣቦታትና ዓመት ንዓመት በብእዋኑ ንቤት ኣምላኽና ዕጨይቲ ንምምጻእ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንህዝብን ዕጭ ኣውደቕናሎም። በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኩሉ ፍረ ናይ ኩሉ ዓይነት ኣግራብናን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፡ በኹሪ ደቅናን እንስሳናን በኹሪ ኣሓናን ኣባጊዕናን ናብቶም ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ኹሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኩሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ። ሌዋውያን ዕሽር ኪወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፡ ምስቶም ሌዋውያን ይኹን። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው። እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከአ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዚልዐል መስዋእቲ ናብቲ ኽፍልታት እዮም ዜምጽእዎ፡ ኣብኡ ኸአ እቲ ኣቓሑ መቕደስን እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን እዮም ዘለው። እምበአርሲ ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ። እቶም ሓላቑ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሐሓደ ወሲዶም ናብቲ ቅድሲ ኸተማ፡ ናብ ዮርሳሌም ኬቕምጥዎም እቶም ትሽዓተ ኢድ ከአ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ኪቕመጡ ዕጭ ተዋደቑ። ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ዮርሳሌም ኪቕመጡ ዝፈተው ኹሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቆም። እቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ሓላቑ እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን፡ ካህናት ሌዋውያንን ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ፡ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዓታያ ወዲ ዑዚያ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ሸፋጥያ፡ ወዲ ማሃላልኤል፡ ካብ ደቂ ፋሬስ። ድማ ማዓስያ ወዲ ብሩክ፡ ወዲ ኮልሔዜ፡ ወዲ ሓዛያ፡ ወዲ ዓዳያ፡ ወዲ ዮያሪብ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ እቲ ሹሎናዊ። ኩላቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ደቂ ፋሬስ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሾምንተን ሓያላት ሰባት ነበሩ። ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሳሉ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ዮዔድ፡ ወዲ ጳዳያ፡ ወዲ ቆላያ፡ ወዲ ማዓስያ፡ ወዲ ኢቲኤል፡ ወዲ ይሻዕያ። ድሕሪኡ ኸአ ጋባይ፡ ሰላይ፡ ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሾምንተን። ዮኤል ወዲ ዚክሪ ኸአ ሓላቓኦም ነበረ፡ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዮ ነበረ። ካብ ካህናት ከኣ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን። ሰራያ ወዲ ሒልቃያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓለቓ ቤት ኣምላኽ። ዕዮ እቲ ቤት ዚዐዮ ኣሕዋቶም ድማ ሾሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን እዮም፡ ድማ ዓዳያ፡ ወዲ ይሮሓያ፡ ወዲ ጳላልያ፡ ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ጳሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡ ኣሕዋቱ ኸአ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን፡ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል፡ ወዲ ኣሕዛይ፡ ወዲ መሸሌሞት፡ ወዲ ኢመር፡ ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፡ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን፡ ሐለቓኦም ድማ ዛብዲኤል፡ ወዲ ሃገዶሊሞ ነበረ። ካብ ሌዋውያን ድማ ሸማዕያ ወዲ ሓሹብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ቡኒ። ካብ ሓላቑ ሌዋውያን ከአ ሻብታይን ዮዛባድን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ነበሩ። ድማ ማታንያ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ ንሱ ብጸሎት ከማር መዝሙር ምስጋና ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካልኣዮ ኸአ ካብ ኣሕዋቱ፡ ባቅቡቅያ፡ ኣብዳ ወዲ ሸሙዓ ኸአ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ ይዱቱን። ኩሎም ሌዋውያን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማ ኽልተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ። ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸአ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡ ኣሕዋቶም ድማ ንደጊታት ዚሕልው ዝነበሩ፡ ሚእትን ሰብዓን ክልተን እዮም። ካብ እስራኤል ዝተረፉ ኻህናትን ሌዋውያንን ከአ ኣብ ኩለን ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ። እቶም ነቲኒም ግና ኣብ ዖፌል ተቐመጡ፡ ጺሓን ጊሽጳን ከአ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲኒም ነበሩ። ኡዚ ወዲ ባኒ ድማ፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካ፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ፡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ። ከመይሲ ብዛዕባኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፡ ነቶም ዘመርቲውን ነንመዓልቲ ምዱብ ግዲኦም ተሰርዓሎም። ጴታሕያ ወዲ መሸዛብኤል፡ ካብ ደቂ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ኸአ ብኹሉ ናይ ህዝቢ ነገር ምስ ንጉስ ነበረ። ኣብ ኣቑሻቶምን ኣብ ማሕረሶምን ድማ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያትኣርባን ኣብ ዓድታታን ኣብ ዲቦንን ኣብ ኣድታታን ኣብ ቃብጽኤልን ኣብ ኣቑሻታን ተቐመጡ። ኣብ የሹዓን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጰሌጥን፡ ኣብ ሓጺርሹዓልን ኣብ ብኤርሸባዕን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዔንሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ። ኣብ ዔንሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ። ኣብ ዛኖሓን ኣብ ዓዱላምን ኣብ ዓድታተንን፡ ኣብ ላኪሽን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ዕድታታን ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ለሰ ሂኖም ሰፈሩ። ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጌባዕ፡ ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ዓያን ኣብ ቤትኤልን ኣብ ዓድታታን ተቐመጡ፡ ኣብ ዓናቶት፡ ኣብ ኖብ፡ ኣብ ዓናንያ፡ ኣብ ሓጾር፡ ኣብ ራማ፡ ኣብ ጊታይም፡ ኣብ ሓዲድ፡ ኣብ ጽቦዒም፡ ኣብ ነባላጥ፡ ኣብ ሎድን ኣብ ኦኖን፡ ኣብ ለሰ ጸረብትን። ካብ ሌዋውያን ድማ ገለ ኣብ ይሁዳ ኻብ ዝነበሩ ኽፍልታት ምስ ብንያም ሓበሩ። እቶም ምስ ዙሩባቤል፡ ወዲ ሸኣልቲኤልን ምስ እያሱን ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፡ ሰራያ፡ ኤርምያ፡ እዝራ፡ ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡ ሸካንያ፡ ሬሑ፡ መሬሞት፡ ዒዶ፡ ጊንቶይ፡ ኣቢያ፡ ሚያሚን፡ ማዕድያ፡ ቢልጋ፡ ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡ ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቂያ። የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ሓላቑ ነበሩ። ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቡኑኢ፡ ቃድሚኤል፡ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ ማታንያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን፡ መራሕቲ መዝሙር ምስጋና። ኣብ መንጽሮም ድማ ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ኣብ ሐሓለዋኦም ነበሩ። እያሱ ኸአ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ድማ ንኤልያሺብ ወለደ፡ ኤልያሺብ ከአ ንዮያዳዕ ወለደ። ዮያዳዕ ድማ ንዮናታን ወለአ፡ ዮናታን ከአ ንያዱዓ ወለደ። ብዘመን ዮያቂም ከአ እቶም ካህናት ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሰራያ መራያ፡ ካብ ኢርምያ ሓናንያ፡ ካብ እዝራ መሹላም፡ ካብ ኣማርያ ዮሓናን፡ ካብ መሊኩ ዮናታን፡ ካብ ሸባንያ ዮሴፍ፡ ካብ ሓሪም ዓድና፡ ካብ መርዮይ ሔልቃይ፡ ካብ ዒዶ ዘካርያስ፡ ካብ ጊንቶን መሹላም። ካብ ኣቢያ ዚክሪ፡ ካብ ሚንያሚን፡ ካብ ሞዓድያ ጲልጣይ፡ ካብ ቢልጋ ሻሙዓ፡ ካብ ሸማዕያ ይሆናታን፡ ካብ ዮያሪብ ድማ ማትናይ፡ ካብ የዳዕያ ዑዚ፡ ካብ ሳላይ ቃላይ፡ ካብ ዓሞቅ ዔበር፡ ካብ ሒልቂያ ሓሻብያ፡ ካብ ይዳዕያ ንታንኤል። እቶም ሌዋውያን ብዝመን ኤልያሺብን ዮያዳዕ ዮሓናን ያዱዓን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኮይኖም ተጻሕፉ፡ እቶም ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዮርዳኖስ ብዓል ፋርስ ተጻሕፉ። እቶም ደቂ ሌዊ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፉ። ሓላቑ እቶም ሌዋውያን ከአ ሓሻብያ፡ ሸረብያ፡ እያሱ ወዲ ቃድማኤል ምስ ኣሕዋቶም ኣብ መንጽሮም ኮይኖም፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ። ማታንያን ባቅቡቅያን ዓብድያ፡ መሹላም፡ ጣልሞን ዓቁብ፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ኾይኖም ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ይሕልው ነበሩ። እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም፡ ወዲ እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን መስፍንን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን ነበሩ። ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጎስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኩሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም። እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ። እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከአ ኣንጽህዎ። ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ዜመግኑ ኸአ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱ። ብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደ፡ ሓላቑ ይሁዳ ኸአ ፈረቓኦም ከዱ፡ ኣዛርያን እዝራን መሹላምን፡ ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡ ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍ። ኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልን፡ ሚላላይ፡ ጊላላይ፡ ማዓይ፡ ንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸአ ቀቅድሚኦም ነበረ። ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ። እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸአ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና። ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ። እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ። እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂም፡ ማዕሰያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ፡ መለኸት ሒዞም። ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸአ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸአ መራሒኦም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ዓብዩ ሓጎስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱ፡ ሓጎስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ። እቶም ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ርእዮም ተሓጎሱ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዚለዐል መስዋእትታትን በኹራትን ዕሽርን ካብ ኩሉ ማሕረስ እተን ከተማታት ከምቲ ሕጊ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዚእከቡሉ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ ዚእክቡ ዋናታት ኣቖሙ። ንሳቶም ድማ ነቲ ሓለዋ ኣምላኾምን ነቲ ሓለዋ ጽሬትን ሐለው፡ እቶም ዘመርትን ሓለውትን ደጌታትን ከአ ከምኡ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎምን ወዱን ገአብሩ። ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ሓላቑ ዘመርቲ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ነበረ። ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከኣ ብዘለው እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደጊታትን ነንመዓልቲ ግዲኦም ሀብዎም። ንሌዋውያን ድማ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ሀቡ። እቶም ሌዋውያን ከአ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ሀቡ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ መጽሓፍ ሙሴ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበብዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ዓሞናውን ሞኣባውን ንዘለአለም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከይአቱ፡ ተጽሒፉ ተረኸበ። ከመይሲ ኺረግሞም ደአ ንበላዓም ተሻየጥዎ እምበር፡ ንደቂ እስራኤል እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐብለዎምን። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ኣብ በረኸት መለሶ። ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ። ቅድሚ እዚ፡ ኤልያሺብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ ኽፍልታት ቤት ኣምላኽና ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዘመድ ጦብያ፡ ንሱ ንእኡ ዓብዩ እቃቤት ኣዳለወሉ፡ ቅድም ኣብኡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣቓሑን ናይ እኸልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዕሽር፡ ማለት እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደጌታትን እተአዘዘሎምን እቲ ንኻህናት ዚለዐል መስዋእትታትን የንብሩሉ ነበሩ። ኣነ ግና ብኹሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ዮርሳሌም ኣይነበርኩን። በመበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ደአ መጺኤ ነበርኩ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ ካብ ንጉስ ስንብታ ለመንኩ፡ ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ እሞ ኤልያሺብ ኣብ ውሽጢ መካበብያ ቤት ኣምላኽ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምድላው ዝገበሮ ኽፋእ ኣስተውዐልኩ። እዚ ኸአ እዝዩ ኣጉሀየኒ። ንኹሉ ኣቓሑ ቤት ጦብያ ድማ ካብቲ ኽፍሊ ቤት ንግዳም ደርቤኽዎ። ነቲ ኽፍልታት ቤት ከአ ኬንጽህዎ አዘዝኩ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ድማ መሊሰ ኣብኡ ኣእቶኽዎ። ንሌዋውያን ግዲኦም ከም ዘይተዋህበ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዜገልግሎ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝሀደመ ፈለጥኩ። ሽዑ ነቶም ዓበይቲ ገሰጽክዎም፡ ስለምታይ እዩ ቤት ኣምላኽ እተሐድገ፡ ኢለ ኸአ አኪበ ነናብ ዕዮኦም ኣቖምክዎም። ሽዑ ኸአ ኩሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ። ተሓዝቲ መዝገብ ከአ ሸለምያ ኻህንን ጻዶቅ ጸሓፍን፡ ካብ ሌዋውያን ድማ ፈዳያ ኣቖምኩ። ምሳታቶም ከአ ሓናን ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ማታንያ፡ ወሰኽኩ፡ እሙናት ኮይኖም ስለ እተረኸቡ ድማ ነሕዋቶም ገግዲኦም ኬካፍልዎም ተመዘዙ። ስለዚ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክረኒ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይን ኣብ ኣገልግሎቱን ዝገበርክዎ ለውሃተይ ከአ ኣይተጥፍእ። በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸአ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ። ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኩሉ ነገርን የምጽኡ፡ ንደቂ ይሁዳ ኸአ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ። ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም። ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩ፡ ኣምላኽና ድማ እዚ ኹሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ። ኮነ ኸአ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩ። ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ። ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ኹሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ። ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩም፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን። ንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩን፡ ንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይ፡ ዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ። በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸአ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። እዚ ኹሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና። ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕ፡ ወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣአ ካባይ ሰጎጉክዎ። ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክሮም። በዚ ኸምዚ ኻብ ኩሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ። ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይትን ብዛዕባ በኹራትን በቲ እተመደበ ጊዜ ኪቐረብ ኣዘዝኩ። ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ። ኮነ ኸአ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡ እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ። በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ዝነበረ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ምስ በለ፡ ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንኹሎም ሹማምቲ ንገላውኡን ንሰራዊት ፋርስን ሜዶንን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ሃብቲ እቲ ኽቡር መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉጽ ግርማኡን ንብዙሕ መዓልቲ፡ ሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ኣርአዮም። እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ሐለፋ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ዝነበሩ ህዝቢ ኹላቶም፡ ካብ ዓብዩ ኽሳዕ ንእሽቶ ኣብ ማኣከል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤት ንጉስ ሾብዓተ መዓልቲ ምሳሕ ገበረ። ጻዕዳን ሓምላይን ሰማያውን መጋረጃታት፡ ብጻዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተአሲሩ፡ ብቐላብቲ ብሩር ተንጠልጢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብጻዕዳ እምነ በረድን ብሉልን ብጸሊም እምነ በረድን እተኸድነ ምድሪ ቤት፡ ኣብኡ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ። እቲ መስቴታት ድማ ብኣቓሑ ወርቂ ኣቕረቡ፡ እቲ ኣቓሑ ኸአ በብዓየነቱ ነበረ። ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ከአ እቲ ወይኒ መንግስቲ ብዙሕ ነበረ። ንጉስ ከአ ንኹሎም እቶም መዃንንቲ ቤቱ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደአ ኺገብሩ እምበር፡ ንሓደ እኳ ግዲ ኸይብልዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ነበረ። እታ ንግስቲ ዋሽቲ ድማ ኣብ ቤት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነንስቲ ምሳሕ ገበረት። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንጉስ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፡ ንመሁማን፡ ቢዝታ፡ ሓርቦና፡ ቢግታ፡ ኣባግታን ዜታርን ካርካስን እዞም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ዜገሉ ሾብዓተ ስሉባቱ፡ ንግስቲ ዋሽጢ፡ መልክዔኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብን ንሿምማትን ከተርኢ፡ ዘውዲ ንጉስ ደፊኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ አዘዞም። ንግስቲ ዋሽቲ ግና በቲ እቶም ስሉባት ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኾረየ፡ ኩራኡ ኸአ ነደደ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ናይ ዘመናት ነገር ዚፈልጡ ጠባቢባን ተዛረቦም፡ ናይ ንጉስ ነገርሲ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ሕግን ፍርድን ዚፈልጡ ኸምዚ ይግበር ነይሩ እዩ። እቶም ናብ ጥቓኡ ዚቕርቡ ዝነበሩ ኸአ፡ ካርሽና፡ ሴታር፡ ኣድማታ፡ ተርሺሽ፡ ሜረስ፡ ማርስና፡ ምውካን፡ እቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ዚቕመጡ ዝነበሩ ሾብዓተ ሹማምቲ ፋርስን ሚዶንን እዮም። ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ በቶም ስሉባቱ ገይሩ ዛአዘዛ ስለ ዘይገብረት፡ ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር፡ በሎም። መሙካን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን፡ ንግስቲ ዋሽቲ ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ንዘለው ኹላቶም ህዝብታትን እምበር፡ ንንጉስ ጥራይ ኣይኮነትን ዝበደለት በለ። እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር ናብ ኩለን ኣንስቲ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ሰባኡተን ኣብ ቅድሚኤን ንዒቐን፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብኡ ኼምጽእዋ አዘዘ፡ ግናኸ ኣይመጸትን፡ ኪብላ እየን። ሎሚ ኸአ ወዘራርዝ ፋስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፡ ንኹላቶም ሹማምቲ ንጉስ ከምኡ ኺብላኦም እየን እሞ፡ ብዙሕ ንዕቀትን ኩራን ኪኸውን እዩ። ንጉስ ኣንተ ደአ ፈትዩስ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፡ ከይፈረሰ ከአ፡ ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይጸሓፍ። ደጊም ዋሽቲ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፡ ንጉስ ድማ መንግስታ ንኻልእ፡ ካብኣ ንትሓይስ ይሀብ። እቲ ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ብዘላ እዛ ገፋሕ መንግስቱ ምስ ተሰምዔ ኸአ፡ ኩላታን ኣንስቲ ንሰባኡተን፡ ካብ ዓቡዩ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኺህባኦም እየን። እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ንንጉስን ሹማምትን ባህ ኣበሎም እሞ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ። ኣብ ኩሉን ሃገራት እቲ ንጉስ ድማ ነንሃገር ከም ስርዓት ኣጻሓሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ኸአ በብዘረባኡ ደብዳበ ሰደደ። በተን መልእኽትታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቤቱ ይምለኽ፡ ብዘረባ ህዝቡ ኸአ ይዛረብ። ድሕርዚ ነገር እዚ ኹራ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ዘሐለ፡ ንዋሽትን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ዝፈረዳ ነገርን ሐሰበ። ሽዑ እቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ፡ ንንጉስ ጽቡቕ ዝመልክዔን ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ፡ በሉ። እቲ ንጉስ መልክዔን ዝጸበቓ ኹለን ደናግል ኣዋልድ ናብ ኣደራሽ ሱሳን ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፡ እቲ ስሉብ ጊልያ ንጉስ ሓላው ኣንስቲ፡ ዚእክብወን ሹማምቲ ኣብ ኩሉ ግዝኣት መንግስቱ የቐምጥ። ንምድላው ኤድሊ ኸአ ይወሀበን። ንዓይኒ ንጉስ ባህ እተብል ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ በሉ። እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ፡ ከምኡ ገበረ። ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓደ ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ወዲ ያኢር፡ ወዲ ሽምዒ፡ ወዲ ቂስ፡ ካብ ደቂኦ ብንያም ነበረ። ንሱ ምስቶም ምስ ኢኮንያ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት ነቡክዳነጸር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ፡ ካብ ዮርሳሌም እተማረኸ ነበረ። ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸአ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸአ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸአ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ። ኮነ ኸአ፡ ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዔ፡ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናይ ኣደራሽ ሱሳን፡ ብዙሓት ኣዋልድ ምስ ተአከባ ድማ፡ ንኣስቴር ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምጽእዋ። እታ ጓል ከአ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበለቶ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንምድላዋ ዜድልያን ዚግብኣ ምግብን ካብ ቤት ንጉስ እተመደበላ ሾብዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሀባ። ንእኣን ነግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለጸ ቤት ኣስፈራ። ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ። ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡ ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዜድሊ ኻልእ ከአ። ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡ ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዜድሊ ኻልእ ከአ። በዚ ኸምዚ ኸአ እታ ጓል ናብ ንጉስ ኣተወት፡ ዝደለየቶ ኹሉ ድማ ምስኣ ኻብ ቤት ኣንስቲ ናብቲ ቤት ንጉስ ኪአቱ ተዋህባ። ንሳ ምሸት ትኸይድ ነበረት፡ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ቤት ኣስንቲ፡ ናብ ሻዕሽጋዝ፡ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ ወሰኑ፡ ትኸይድ ነበረት። ንሳ ንጉስ ከየድለያን ብስማ ኸአ ከይጸውዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትአቱን ነበረት። ንኣስቴር ጓል ኣቢሓይል፡ ሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሐዛ፡ ናብ ንጉስ ክትአቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ብጀካ ሂጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከአ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ኩላቶም ተፈትወት። ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ጤቤት፡ ብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ። ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸአ ሐለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞጎስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸአ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከአ ህያባት ሀበ። ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ። ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽን፡ ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎ፡ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ። እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸአ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ። እቲ ዘረባ ኸአ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ። ድሕሪ እዚ ነገር ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እታ ኣጋግዊ፡ ክብ ኣበል ኣኽበሮውን፡ መንበሩ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዚነበሩ ኹላቶም ሹምማቲ ልዕል ኣበሎ። እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ። ኮነ ኸአ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ፡ ብቑጥዓ መልኤ። ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ምስ ነገርዎ ኸአ፡ ኢዱ ንማርዶካይ ጥራይ ኪዝርግሓሉ፡ ኣብ ዓይኑ እተናዕቀ ኾይኑ ተራእዮ፡ ስለዚ ሃማን ንህዝቢ ማርዶካይ፡ ነቶም ኣብ ዝበላ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ኹላቶም ኣይሁድ ኬጥፍኦም ደለየ። ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ኒሳን፡ ንመንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሃማን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፡ ካብ ወርሒ ንወርሒ፡ ክሳዕ ኣብ መበለ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ጲር፡ እዚ ማለት ዕጭ ኣውድቖ። ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ኩለን ሃገራት መንግስትኻ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ሓደ ፍሉይ ህዝቢ እተዘርዘረን ፋሕ ዝበለን ኣሎ። ሕጎም ከአ ካብ ኩሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕጋጋት ንጉስውን ኣይሕልውን እዮም፡ ስለዚ ንጉስ ኪሓድጎም ኣይግባእን እዩ። ንንጉስ ጽቡቕ እንተ ደአ መሰሎ፡ ኪጠፍእ ይጽሐፍ። ኣነ ድማ ብኢድ እቶም ዓየይቲ ናብ መዝገብ ንጉስ ኪአቱ ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩር ክመዝን እየ በለ። ሽዑ ንጉስ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡ ጸላእ ኣይሁድ ሀቦ። ንጉስ ከአ ንሃማን፡ ጽቡቕ ኮይኑ እተራእየካ ኽትገብርስ፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተዋሂቡ እዩ፡ በሎ። ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ስለስተ መዓልቲ ድማ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ፡ ከምቲ ሃማን ዝአዘዞ ኹሉ ኽአ ናብ ሹማምቲ ንጉስን ኣብ ሀሃገር ንዘለው ገዛእትን ኣብ ነናይ ህዝቢ ሓላቑን ነንሃገር ከከም ስርዓት ኣጸሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ድማ በብቛንቛኡ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለበኢት ንጉስ ከአ ተሐትመ። ብሓንቲ መዓልቲ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ንኹላቶም ኣይሁድ፡ ነጉባዝን ኣረገውትን፡ ንሕጻናትን ኣንስትን። ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ከአ ኪዘምትዎምንሲ፡ ደብዳቤታት ብቕልጡፋት ፈረሰኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ንጉሰ ሰደድዎ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ተዳልዮም ኪጸንሑስ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት እቲ ትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ። እቲ ትእዛዝ ከአ ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ተዋህበ። ንንጉስን ሃማንን ድማ ኮፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ። እታ ኸተማ ሱሳን ግና ሰንበደት። ማርዶካይ ከአ እተገብረ ኹሉ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ማርዶካይ ክዳኑ ቐዲዱ ኽሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓሙኹሽቲ ነስነሰ፡ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ ብብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ። ክሊ ተኸዲንካ ብደገ ንጉስ ምእትው ኣይግባእን ነበረ፡ ንሱ ግና ክሳዕ ቅድሚ ደገ ንጉስ መጸ። ኣብ ኩለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሑ ዘበለ ቦታ ኸአ፡ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ። ብዙሓት ከአ ከሊ ተኸዲኖምን ሓሙኹስቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ። ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባን ድማ መጺኦም፡ እዚ ነገርዋ። ሽዑ እታ ንግስቲ ኣዝያ ጎሀየት፡ ንማርዶካይ ከአ ነቲ ኽሊ ኻብ ልዕሊኡ ኺወስዱ፡ ኢላ ክዳን ሰደደትሉ። ግናኸ ኣይተቐበላን። ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ጸውዓቶ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፡ ንጉስ ኬገልግልዋ ኢሉ ዜቖመላ፡ ነበረ። እዚ እንታይ ምዃኑ ስለምንታይውን ከም ዝኾነ ኺፈልጥ ናብ ማርዶካይ፡ ናብታ ቕድሚ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ቦታ ኣታ ኸተማ ወጸ። ማርዶካይ ከአ እቲ ዝመጾ ኹሉ ነገርን ፍቕዲ እቲ ገንዘብ፡ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ኢሉ ዝመዘኖን ነገሮ። ማርዶካይ ከአ እቲ ዝመጾ ኹሉ ነገርን ፍቕዲ እቲ ገንዘብ፡ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ኢሉ ዝመዘኖን ነገሮ። እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳን እተሐገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ኬርእያን ኪነግራን ናብ ንጉስ ክትአቱ ኽእዝዛን፡ ንሳ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ድማ፡ ኪልምናን ኢሉ፡ ንእኡ ሀቦ። ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ ዘረባ ማርዶካይ ነገራ። ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ፡ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ኾነት ከየተጸውዔ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝአተወ ኺመውት ሕጊ ኸም ዘሎ፡ ኩሎም ገላው ንጉስን ህዝቢ ሃገራት ንጉስን ይፈልጡ እዮም፡ እቲ ንጉስ እታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክአቱ ኻብ ዘይጽዋዕ፡ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ በለት። ዘረባ ኣስቴር ከአ ንማርዶካይ ነገርዎ። ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኩሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንባይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ። በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ኾንኪ፡ መን ይፈልጥ። ሽዑ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢሎም ኪመልሱሉ ለመነቶም፡ ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ። ማርዶካይ ከአ ኸደ፡ ከምቲ ኹሉ ኣስቴር ዝአዘዘቶ ገበረ። ኮነ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸድነት፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ቤት ንጉስ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከአ ኣብ መንጽር ደገ ቤቱ፡ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኾፍ ኢሉ ነበረ። ኮነ ኸአ፡ እቲ ንጉስ ንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞጎስ ረኸበት፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዛንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ቅርብ ኢላ፡ ርእሲ ዘንጉ ተነከየት። ሽዑ ንጉስ፡ ንግስቲ ኣስቴር ፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እንታይሲ ትደልዩ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተ ኾይኑ ኺወሀበኪ እዩ፡ በላ። ኣስቴር ከአ፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ኾይኑ ሎሚ ይምጻእ በለት። እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኺግበርሲ፡ ንሃማን ቀልጢፍኩም ጸውዕዎ፡ በለ። ንጉስን ሃማንን ድማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶኦ ምሳሕ መጹ። ነቲ ወይኒ ኺሰትዮ ኸለው፡ ንጉስ ንኣስቴር ልማኖኺ እንታይ እዩ፡ ኪወሀበኪ እዩ፡ እንታይ እዩ ድላይኪ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እንተ ኾነ እኳ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ። ኣስቴር ከአ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ ልማኖይ ኪህበንን ድላየይ ኪገብርን ኣንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእ፡ ጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት። ኣስቴር ከአ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ ልማኖይ ኪህበንን ድላየይ ኪገብርን ኣንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእ፡ ጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ ኸአ ተሓጉሱ ወጸ። ግናኸ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ሓፍ ከየበለ ኻብኡውን ከይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ምስ ረአዮ፡ ባ ልዕሊ ማርዶካይ ቁጥዓ መልኦ። ሃማን ግና ንርእሱ ዝግ ኣበለ። ናብ ቤቱ ምስ አተወ ኸአ፡ ልኢኹ ንገተውቱን ንዘረሽ ሰበይቱን ኣምጽኦም። ሃማን ከአ ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፡ ንጉስ ብኹሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ሓላቑን ገላው ንጉስን ክብ ከም ዘበሎን ነገሮም። ሃማን ድማ ወሲኹ በለ፡ ንግስቲ ኣስቴር ከአ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብጀካይ ኣይጸውዔትን። ንጽባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተጸውዔ አሎኹ። እዚ ኹሉ ግና፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ ባህ ኣይበለንን እዩ፡ በለ። ሽዑ ዘረሽ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ኹላቶምን ኮይኖም፡ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ ኣዳሉ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀልሲ ፡ ጽባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕርቲ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ፡ በለቶ። እዚ ነገር ንሃማን ባህ ኣበሎ እሞ፡ ጉንዲ ኸም ዜዳልው ገበረ። እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዜልቦ ሓደረ፡ እቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል መዘከርታ ኼምጽኣሉ ኸአ ኣዘዘ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከአ ተነብበ። እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፡ ቢግታናን ተረሽን፡ ኢዶም ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪዝርግሑ ኸም ዝሐሰቡ፡ ማርዶካይ ከአ ከም ዝነገሮ ተጽሒፉ ተረኸበ። ሽዑ ንጉስ፡ ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ፡ በለ። እቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ድማ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን፡ በሉ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ኣብ መካበብያ መን ኣሎ፡ በለ። ሃማን ንማርዶካይ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጉንዲ ኺሰቕልዎ፡ ንንጉስ ኪነግር ኢሉ፡ ናብቲ ወጻኢ መካበብያ ቤት ንጉስ ኣትዩ ነበረ። እቶም ገላው ንጉስ ድማ፡ እንሆ፡ ሃማን ኣብ መካበብያ ደው ኢሉ ኣሎ፡ ብልዎ። ንጉስ ከአ፡ ይእቶ በለ። ሃማን ድማ ኣተወ። ንጉስ ከአ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኺገብረሉ ይግባ፡ በለ። ሃማን ድማ ብልቡ፡ ንጉስ ካብ ንኣይ ንመን ኬኽብር ምፈተወ፡ ኢሉ ሐሰበ። ሃማን ድማ ንንጉስ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፡ ንጉስ ዚኽደኖ ልብስ መንግስቲ፡ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስ የምጽኡሉ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ። እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከአ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹማምቲ ንጉስ ይወሀብ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዚደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፡ ኣብ ፈረስ ኣወጢሖምውን ብአደባባይ እታ ኸተማ የሕልፍዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸአ፡ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ ኢሎም ኣዋጅ ኣወጁ በሉ። ሽዑ ንጉስ ንሃማን፡ ቀልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፡ ነቲ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ ንማርዶካይ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምኡ ገብረሉ። ካብዚ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጎደል፡ በለ። ሃማን ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ። ንማርዶካይ ድማ ኸደኖ፡ ናብ ፈረስውን ኣወጥሖ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተኣ ድማ ኣብ ቅድሚኡ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለየ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ እናበለ ኣዋጅ ነገረ። ማርዶካይ ድማ ናብ ደገ ንጉስ ተመልሰ፡ ሃማን ግና ጉህዩ ርእሱ ተጎልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ። ሃማን ከአ እቲ ዝወረዶ ኹሉ ንዘረሽ ሰበይቱን ንኹሎም ፈተውቱን ኣዘንተወሎም። እቶም ጠቢባኑን ዘረሽ ሰበይቱን ድማ፡ ማርዶካይ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘሎኻ፡ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደአ ኾይኑ፡ ፈጺምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፡ ንእኡስ ገለ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ በልዎ። ገና ንሳቶም ምስኡ ኺዛረቡ ኸለው፡ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መጹ፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ኬምጽእዎ ሀወኽዎ። ንንጉስ ሃማንን ከአ ኪሰትዩ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መጹ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኺሰትዩ ኸለው ድማ ንጉስ ንኣስቴር መሊሱ፡ ዎ ንግስቲ ኣስቴር፡ ልማኖኺ እንታይ እዩ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እኳ እንተ ኾነ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ። ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ፡ ዎ ንጉስ ኣብ ኣዒንትኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከአ ብድላየይ ይወሀበኒ። ኣነን ህዝበይን ንምጥፋእን ንምሕራድን ንምድምሳስን ተሸጥና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሸኢጥና እንተ ንኸውንሲ፡ ስቕ ምበለኩ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ እቲ ንንጉስ ዚገብሮ ጉድኣት ኪጣጣእ ኣይኽእልን እዩ ብለት። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ እቲ ነዚ ኺገብር ልቡ ዝመልኤ መን እዩ፡ ንሱስ ኣበይ ኣሎ፡ በላ። ኣስቴር ከአ፡ እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ እዚ ሕሱም ሃማን እዩ፡ በለት። ሽዑ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ራዕራዕ በለ። ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዚሰትየሉ ዝነበረ ብቑጥዓ ተንሲኡ፡ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣደራሽ ከደ። ሃማን ግና፡ ካብ ንጉስ መከራ ኸም እተመደበሉ ርእዩ ነበረ እሞ፡ ህይወቱ ኽትምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ኪልምን ደው በለ። እቲ ንጉስ ከአ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣደራሽ ናብቲ ወይኒ ዚሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ሃማን ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ ድማዶ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲ ኽዕምጻ ደልዩ በለ። እዚ ቓል እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ። ሓርቦና፡ ሓደ ኻብቶም ስሉባት ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ሃማን ንማርዶካይ፡ ነቲ ንንጉስ ጽቡቕ እተዛረበሉ፡ ኢሉ ዘዳለዎ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ፡ እንሆ፡ ኣብ ቤት ሃማን ደው ኢሉ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ ከአ፡ ንእኡ ናብኡ ስቐልዎ በለ። ከምዚ ንሃማን ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጉንዲ ሰቐልዎ። ሽዑ ቑጣ ንጉስ ዘሐለ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቤት ሃማን እቲ ጸላእ ኣይሁድ ንንግስቲ ኣስቴር ሀባ። ኣስቴር ንሱ ንእኣ እንታይ ምዃኑ ነገረቶ እሞ፡ ማርዶካይ ናብ ቅድሚ ግ ንጉስ ኣተወ። ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐልቤቱ ኣውጺኡ ንማርካዶይ ሀቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ። ኣስቴር ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተዛረበት፡ ክፍኣት ሃማን ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እተጣበቦ ጥበቡ ምእንቲ ኼፍርስ ከአ፡ ኣብ እግሩ ወዲቓ እነበኸየት ለመነቶ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር እታ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት፡ በለት ከአ፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ እንተ ረኺበ፡ እዚ ነገር እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፡ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኩሉ ሃገራት ንጉስ ዘለው ኣይሁድ ኬጥፍእ አሚሙ ዝጸሐፈን ደብዳቤታት ኪልወጣ ይጸሓፍ። ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዚመጽእ መከራ ኽርኢ እኽእል፡ በለት። ሽዑ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እንሆ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣሎኹ፡ ንእኡ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ስለ ዝዘርግሔ፡ ናብ ጉንዲ ሰቐልዎ። እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሐትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸአ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሐፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከአ ሕተምዎ በለ። በታ ጊዜ እቲኣ ብሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ሲዋን፡ ብመበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዞ ኹሉ ዘረባ፡ ናይ ኣይሁድን ናብ ሹማምትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ሓላቑ ሃገራትን፡ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ፡ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር፡ በብሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ሄህዝቢ ኸአ በብዘረባኡ፡ ንኣይሁድ ድማ ከም ኣጸሓሕፍኦምን ከም ዘረባኦምን ጸሐፈሎም። ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ጸሐፎ፡ በቀለቤት ንጉስ ድማ ሐተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ። ኣብኡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለው ኣይሁድ ኪእከቡ እሞ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ፡ ነቶም ሓደጋ ዚወድቅዎም ናይ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስናይ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ኪዘምቱን ፈቐደሎም። ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ በመብል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር እያ፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ። ኣይሁድ ከአ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጸላእቶም ሕነ ኺፈድዩ ኺዳለውስ፡ ቅዳሕ እቲ ጽሕፈት ኣብ ኩለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሀብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ተነግረ። እቶም ኣፍራስን ኣባቕልን እተወጥሐ ፈጣናይ ልኡኻት ብትእዛዝ ንጉስ ብሃወኽ ወጹ፡ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ተወህበ። ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዩ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ ቐይሕን ጻዕዳን ተወንዚፉ፡፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። ከተማ ሱሳን ከአ እልል እነበለት ተሐጎሰት። ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጎስን ደስታን ክብረትን ኮነ። ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበጽሖ ዘበለ ቦታ ንኣይሁድ ሓጎስን ደስታን መብልዕን መስተን ጽቡቕ መዓልትን ኮነ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸአ፡ ፍርሃት ኣይሁድ ስለ ዝወደቖም፡ ብዙሓት ኣይሁድ ኮነ። ካብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ኣዳር፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ፡ እቲ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዚፍጸመሉ መዓልቲ፡ እቶም ጸላእቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊኦም ኪስልጥኑ ተስፋ ዚገብሩላ ዝነበሩ መዓልቲ፡ ብእኣ እቶም ኣይሁድ ደአ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ኪስልጥኑ፡ እቲ ነገር ተለወጠ። እቶም ኣይሁድ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብቶም ክፉእ ኪገብርዎም ዚደልዩ ዝነበሩ ኢዶም ክዝርግሑ፡ ናብ ከተማታቶም ተአከቡ፡ ፍርሃቶም ከአ ኣብ ኩሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሰብ ናብ ቅድሚኦም ደው ኪብል ኣይከአለን። ፍርሃት ማርዶካይ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ኩሎም ሹማምቲ እተን ሀገራትን መኳንንትን ራእስታትን ኩላቶም ዕዮ ንጉስ ዚዐዩን ንኣይሁድ ሐገዙ። ማርዶካይ ኣብ ቤት ንጉስ ዓብዩ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ኩለን ሃገራት ወጸ። እዚ ሰብ እዚ ማርዶካይ እዚ እናዐበየ ኸደ። ኣይሁድ ንኹላቶም ጸላእቶም ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ቀተልዎም፡ ኣጥፍእዎምውን። ንኹላቶም ጸላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም። ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እቶም ኣይሁድ ንሓሙሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቲሎም ኣጥፍእዎም። ጳርሻን ዳታን ደልፎንን ኣስጳታን፡ ጳራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን፡ ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን፡ ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ ጸላእ ኣይሁድ ቀተልዎም፡ ኣብቲ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። በታ መዓልቲ እቲኣ ቑጽሪ እቶም ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እተቐትሉ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ። ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴ፡ ኣይሁድሲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ሐረድዎምን ኣጥፍእዎምን፡ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ንጉስ ደአ ኸምይ ገይሮም ይኹኑ፡ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፡ ኺወሀበኪ እዩ፡ እንታይከ እዩ ድላይኪ፡ ኪኾነልኪ እዩ፡ በላ። ሽዑ ኣስቴር፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ነቶም ኣብ ሱሳን ዘለው ኣይሁድ፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ትእዛዝ ኪገብሩ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ኣብ ጉንዲ ኺስቀሉ፡ ፍቓድ ይወሀብ፡ በለት። ንጉስ ከአ፡ ከምኡ ይገበር በለ። እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ሱሳን ተዋህበ እሞ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ። እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ተአከቡ፡ ኣብ ሱሳን ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተሉ፡ ኣብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። እቶም ኣብተን ሃገራት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ተአኪቦም ንህይወቶም ተኸላኸሉላ እሞ፡ ካብ ጸላእቶም ዕረፍቲ ረኸቡ። ካብቶም ዚጸልእዎም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ። ኣእዳዎም ግና ኣብ ምርኮ ኣይዘርግሑን። እዚ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ ግና ዐረፉ፡ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ከአ ገበርዋ። እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ብመበል ዓሰርትው ሰለስተን ዓሰርተው ኣርባዕተን መዓልቲ ተአከቡ። ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸአ ዐረፉ። ንእኣ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ገበርዋ። ስለዚ እቶም ኣብ ዓድታትን ኣብ ዘይትዐርዳ ኸተማታትን ዚነብሩ ኣይሁድ ብወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ሓጎስን መስተን ጽብቕቲ መዓልቲ የብዕሉ፡ ንሓድሕዶም ከአ ህያብ ይለኣአኹ ኣለው። ማርዶካይ ድማ ነዚ ነገር እዚ ጽሒፉ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለው ኹላቶም ኣይሁድ ደብዳቤታት ሰደደ። ኣብ ወርሒ ኣዳር፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትን ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ዐዐመት ኬብዕልወን ኣዘዞም። እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዐረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጎስ፡ ሐዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጎስን ኪገብርወን፡ ንሓድሕሶም ከአ ህያባት ኪላኣአኹ፡ ንድኻታት ድማ ምጽዋት ኪምጽውቱ ሐገገሎም። እቶም ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሐፈሎምን ኪገብርዎ ተቐበልዎ። ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ፡ ጸላእ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ኢለ ተተናኸሎሎም፡ ኪድምሶሶን ኬጥፍኦምን ከአጱር ማለት ዕጭ ኣውደቐሎም። እዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ብደብዳበ ገይሩ እቲ ሃማን ንኣይሁድ እተተናኸሎሎም ሕሱም ተንኮል ኣብ ርእሱ ይመለስ፡ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጉንዲ ይሰቐሉ፡ ኢሉ አዘዘ። ስለዚ እዘን መዓልትታት እዚኤን፡ ከምቲ ስም ጵር ጵኡሪም ኢሎም ሰመይወን። እምበርኣርሲ ኸምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ እተጻሕፈ ኹሉ ቓላትን፡ ከምቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዝረአይዎን፡ ከምቲ ዝረኸቦም ኩሉን፡ እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንኹሉ ናባታቶም እተጸግዔን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኤን፡ ከምቲ ተጽሒፉ ዘሎ፡ በብእዋኑ በብዓመቱን ከየዝበሉ ኼብዕሉ ተቐቢሎም ኣጽንዕዎ። እዘን መዓልትታት እዚኤን ኣብ ኩሉ ወለዶታት ኣብ በብዓሌቱን ኣብ ሀሃገርን ኣብ ከከተማኡን ኪዝከራን ኪባዐላን፡ እዘን መዓልትታት ጵሪም እዚኤን ኣብ ማእከል ኣይሁድ ምብዓለን ኣይኪተርፍን ዝኸረን ድማ ካብ ዘርኦም ከቶ ኣይኪጠፍእን እዩ። ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እታ ብዛዕባ ጲሪም እተዛረብ፡ ካልአይቲ ደብዳበ ብምሉእ ሓይሎም ኬጽንዕዋ ኢሎም ጸሐፉ። ነተን ደብዳቤተትን ናብ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ፡ ብዘረባ ሰላምን እምነት ገይሩ፡ ዝለአኸንሲ፡ እዘን መዓልትታት ጲሪም፡ ከምቲ ማርዶካይ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ዝሐገግዎ፡ ኣብቲ እተመደበለን ጊዜ ኽጸንዓ፡ ከምቲ ንርእሶምን ንዘርኦምን ብናይ ጾምን ምህልላን ዝሰርዕዎ ኸአ ኺጸንዕ ኢሉ እዪ። በዚ ኸምዚ ትእዛዝ ኣስቴር ነዚ ናይ ጵሪም ነገር ኣጽንዖ። እዚ ኸአ ኣብ መጽሓፍ ተጻሕፈ። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ። ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኩሉ ግብሪ ንጉስ ንማርዶካይ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮ፡ ምሉእ ዛንታ ዕቤቱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጽሒፋዶ ኣየሎን፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣሓሽዊሮስ ካልኣዩ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣይሁድ ክቡር፡ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸአ ፍትዊ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ደለየ፡ ንኹላቶም ዘርኡ ደሓኖም ተዛረበ። ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ። ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ። እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ? ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን? ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ። ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡ መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ ኣሎ፡ በሎ። ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ። ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ፡ በሎ። ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቊስለተ ስጋ ወቕዖ። እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ። ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ? ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሐጥኤን። ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ፡ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዐዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሐዝንን ከነጸናንዖንሲ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ። ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን። ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ። እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ። እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታ፡ ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ። ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሐዝዋ፡ ደበና የጐልብባ፡ እቲ ንመዓልቲ ዜጸልምት ከኣ የሸብራ። ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡ ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሐጐስ፡ ኣብ ቊጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ። እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡ እልልታውን ኣይእተዋ። እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ። ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ። ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ። ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፡ ካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ? ስለምንታይከ ኣብራኽ፡ ኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡ ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረኣየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ። ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው። እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦም፡ ድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው። ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ። ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም? እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ እናዀዐቱ ዚደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡ እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡ፡ እልል እናበሉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ፡ ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእ፡ ምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ። እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ። ዕረፍቲ ስኢነ፡ ህድኣትን ዝግታን የብለይን፡ ዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ። ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ክንዛረበካ እንተ ንፍትንሲ፡ ምጒሄኻዶ? ዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን ኣሎ? እንሆ፡ ንብዙሓት መዐድካዮም፡ ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ኣበርታዕካየን። ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖም፡ ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን። ሕጂ ናባኻ እንተ በጽሔ ግና፡ ምጽዋሩ ስኢንካ፡ ናባኻ እንተ ወረደ፡ ተሸቢርካ እኔኻ። እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እሙንቶኻ፡ እቲ መገድኻ ፍጹም ምዃኑ ኸኣ ተስፋኻዶ ኣይኰነን? እስኪ ተመልከት፡ ንጹህ ከም ዝጠፍኤ፡ ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣነስ ከምዚ ደኣ ርኤኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱ፡ መከራ ኸኣ ዚዘርኡ፡ ንእኡ ይዐጽድዎ። ንሳቶም ብእስትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፡ ብመንፈስ ቊጥዓኡ ይበኑ። ምጒዛም ኣንበሳ፡ ድምጺ እቲ ጓዛሚ፡ ኣስናን ሽደን ኣንበሳውን ይስበር። እቲ ኣረጊት ኣንበሳ ዚነጥቕ ስኢኑ እዩ እሞ ይመውት፡ ኰራኲር ኣንበሳ ኸኣ ፋሕ ይብሉ። ንኣይ ግና ቓል ብሕቡእ መጸኒ፡ እዝነይ ከኣ ንሕሽዂሽዂ ተቐበሎ፡ በቲ ናይ ለይቲ ራእይ ሓሳባት ንሰባት ብርቱዕ ድቃስ ምስ ወደቖም፡ ፍርሃትን ረዓድን ሐዘኒ እሞ፡ ንብዘሎ ኣዕጽምተይ ኣናወጾ። ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈ፡ ጸጒሪ ስጋይ ተኸየፈ። ንሱ ቘመ፡ መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡ ረቂቕ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡ ስቕታ ነበረአ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ፡ መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ይጸድቕ እዩ፡ ሰብዶ ኻብ ፈጣሪኡ ይነጽህ እዩ? እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን ንመላእኽቱውን ጒድለት ይረኽበሎም። እምበኣርሲ እቶም መሬት ዝቤቶም፡ ሓመድ ዝመሰረቶም፡ ከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቚረጹ፡ ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዚሐስቦውን የልቦን። እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፡ ብዘይ ጥበብ ይሞቱ። ምላሽ ዚህበካ እንተ ረኺብካስ፡ እስኪ ጸውዕ፡ ካብ ቅዱሳንከ ናብ መኖም ክትብል ኢኻ? ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎ፡ ንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ። ኣነ ንደንቈሮስ ሱር ሰዲዱ ርኤኽዎ፡ ብኣብኣ ኸኣ ንቤቱ ረገምክዋ። ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ ኣብ ደገ ይርገጹ፡ ዜናግፎም ከኣ የልቦን። ነቲ እቶቱ ዝጠመየ ይበልዖ፡ ካብ እሾዂ እኳ የውጽኦ፡ ንጥሪቱ መድፈና ሃህ ኢሉ ይጽበዮ። መከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡ መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቊልን። ግናኸ፡ ከምቲ ቚልዒ ንላዕሊ ኣቢሉ ዝነጥር፡ ሰብ ንመከራ እዩ ዚውለድ። ኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹ፡ ነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ፡ ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡ ኪቚጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዚገብር ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜዝንም ንግራሁውን ማያት ዚሰድድ፡ ንሕሱራት ልዕል ዜብሎም፡ ንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዜልዕሎም፡ ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡ ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞም፡ ንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ። ብመዓልቲ ንኣታቶ ጸልማት ይጓነፎም፡ ብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ። ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ። ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ ኣለዎ፡ ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዐጹ። እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡ ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ። ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ። ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኼናግፈካ፡ ኤረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይኪትንክየካን እዩ። ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡ ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ። ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወል፡ ድባበ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ። ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆ፡ ንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ። ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ኪዀኑ እዮም። ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዚስአን የልቦን። ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡ ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ። ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ። እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ። ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡ ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ። ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ። ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ? ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ? ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ? ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ። አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ። ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ። ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ? ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ? ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ? ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን? እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ። ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ። ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ። ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ። ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ። ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ። ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም። ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም። ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ? ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ? ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ። ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡ ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ። ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም። እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ። ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ። ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ? ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ? ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን? መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት ብዓል ውዐልት ኣይኰናን? ከምቲ ጽላል ዚናፍቕ ባርያ፡ ከምቲ ውዕለቱ ዚጽበ ብዓል ውዕለት፡ ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዐዲለ፡ ለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ። ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ? እብል። ለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ምግልባጠይ እጸግብ ኣሎኹ። ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑ፡ ቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ። መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ፡ ብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ። ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክር፡ ኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን። እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን። ደበና ሐሊፉ ኸም ዚብተን፡ ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዚወርድ መሊሱ ኣይወጽእን። ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስን፡ ቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን። ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞን፡ ብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብ፡ ብምረት ነፍሰይ ክቚዝም እየ። ሓላዊ ዝገበርካለይከ? ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ? መንጸፈይ ኬጸናንዓኒ፡ ምድቃሰይ ሓዘነይ ኬቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ፡ ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒ፡ ብራእይውን ተባህርረኒ፡ ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡ ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሐሪ። ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልን፡ መዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ። ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ? ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ? ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሐድገኒ? ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብ፡ በዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ? ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡ ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ? ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይ፡ በደለይ ከኣ ዘይትሐድገለይ? ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡ እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ። ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ክሳዕ መኣዝ ከምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፡ ነቲ ዘረባ ኣፍካስ ከም ብርቱዕ ንፋስ ክትገብሮ ኢኻ? ኣምላኽዶ ፍትሒ ይጠዊ እዩ? እቲ ዂሉ ዚኽእልከ ንጽድቂዶ ይጠውዮ እዩ? ደቅኻ በዲሎምዎ እንተ ዀይኖም፡ ንሱውን ናብ ኢድ ኣበሳኦም ኣሕሊፉ እንተ ሂብዎም፡ ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ምሕረት እንተ ለሚንካዮ፡ ንጹህን ጻድቕን እንተ ዄንካ፡ ብርግጽ ንሱ ንረዲኤትካ ኺትንስእ፡ ነታ ማሕደር ጽድቅኻውን ኬልምዓ እዩ። መጀመርታኻ ንእሽቶ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኻ ግና እምብዛ ኺበልጽ እዩ። ነቶም ቀደም ዝሐለፉ ወለዶ ዀታ ጠይቆም እሞ፡ ነቲ ኣቦታቶም እተረድእዎ ኸኣ ኣሰተብህሎ። ንሕና ገለ ዝይንፈልጥ ናይ ትማሊ ኢና እሞ፡ ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ኸም ጽላሎት እየን። ግናኸ ንሳቶም ኣይኪምህሩኻን ኣይኪነግሩኻንዶ እዮም? ካብ ውሽጢ ልቦም ቃላትዶ ኣይኬውጽኡን እዮም? ተኺላ ኣብ ዜብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይነውሕ? ማይ ኣብ ዜብሉስ ሰቲዶ ይበቊል እዩ? ንሱ ብለምለሙ ኸሎን ከይተመንቈሰን፡ ቅድሚ ዂሉ ሳዕሪ ይነቅጽ። መገዲ እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዂሎም ከኣ ከምኡ እዩ፡ ተስፋ እቲ ረሲእ ከንቱ ኪኸውን እዩ። ተስፋኡ ኪቚረጽ እዩ እሞ፡ እሙንቶኡ ኸም ዓለባ ሳሬት እዩ። ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፡ ግናኸ ኣይትጸንዕን፡ ቀጥ ኣቢሉ ይሕዛ፡ ግናኸ ኣይትቐውምን። ንሱ ብጸሓይ ይልምልም፡ ጨናፍሩ ናብ ልዕሊ ኣታኽልቱ ይወጽእ። ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሱሩ ይሰደድ፡ ንቤት ኣእማን ይምልከቶ ኣሎ። ካብታ ቦታኡ እንተ መንቈሶ፡ ንሳውን፡ ኣነስ ከቶ ኣይርኤኹኻን፡ ኢላ ትኽሕዶ። እንሆ፡ ታሕጓስ መገዱ ኸምዚ እዩ። ካብታ ሓመድ ድማ ካልኦት ኪበቚሉ እዮም። እንሆ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍጹም ሰብ ኣይድርብዮን፡ ነቶም ገበርቲ እከይ ከኣ ብኢዱ ኣይሕዞምን እዩ። ንኣፍካ ስሓቕ፡ ንኸናፍርካውን እልልታ ኺመልኦ እዩ። እቶም ዚጸልኡኻ ነውሪ ኺጒልበቡ እዮም፡ ድንኳን እቶም ረሲኣን ከኣ ኪጠፍእ እዩ። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኤረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ እየ፡ ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ? ምስኡ ኺማጐት እንተ ዚደሊ፡ ካብ ሽሕስ ሓንቲ እኳ ኺመልሰሉ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ንሱ ብምስትውዓል ጠቢብ፡ ብሓይሊውን ብርቱዕ እዩ፡ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ? ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞም፡ ንቚጥዓኡውን ይገማጥሎም። ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፡ ኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ፡ ንሱ ንጸሓይ ይእዝዛ እሞ ኣይትበርቕን። ንኸዋኽብቲውን ይሐትሞም። ንሱ ንሰማያት ይዝርግሖ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይኸይድ። ንድቢ፡ ንኦርዮን፡ ንኰዀብ ሾብዓተ፡ ንናይ ደቡብ ማሕደር ዝፈጠሮም ንሱ እዩ። ንሱ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገር፡ ቊጽሪ ዜብሉ ተኣምራትውን ይገብር። እንሆ፡ ኣብ ጥቓይ ይሐልፍ እሞ፡ ኣነ ኣይርእዮን፡ መሊሱውን ይሐልፍ እሞ፡ ኣይፍለጠንን እዩ። እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፡ መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ኪብሎ ይኽእ።? ኣምላኽ ንቚጥዓኡ ኣይገትኦን፡ ኣብ ትሕቲኡስ እቶም ረዳእቲ ረሃብ እኳ ይትሐቱ፡ ኣነ ደኣ ግዳ ኸመይ ገይረ ኽመልሰሉ? ንእኡ ዝዛረቦ ቓልከ ኸመይ ገይረ ኽመርጽ? ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን። ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን። ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን። ንሱ ኸስተንፍስ ኣይሐድገንን፡ ምረት ደኣ የጽግበኒ ኣሎ። ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ፡ እኔኹ፡ ይብል፡ ብፍርዲ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ መን እዩ ቘጸራ ዚህበኒ? ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ኣፈይ፡ በደለኛ ኢኻ፡ ኢሉ ምፈረደኒ፡ ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ። ኣነስ ፍጹም እየ፡ ንነፍሰይ እኳ ግዳ የብለይን፡ ንህይወተይውን እንዕቃ እየ። ኲላዂሉ ሓደ እዩ፡ ስለዚ፡ ነቲ ፍጹምን ንረሲእን ብሓደ የጥፍኦም፡ እብል ኣሎኹ። ብድንገት ዚቐትል መዓት እንተ ወረደ፡ ንሱ ብፈተና እቶም ንጹሃት የላግጽ። ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ፡ ንገጽ መኳንንታ ይሽፍኖ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ? መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይቕልጥፋ፡ ጽቡቕ ነገር ከይረኣያ ይሀድማ ኣለዋ። ኤረ ኸም ጃልባ ወምብቆ፡ ኪምንጥል ከም ዚሸብብ ንስሪ ይሐልፋ።  ኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዔ፡ ገጸይ ኣበሄስ፡ ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ፡ ብስቓየይ እስክሕ፡ ከም ዘይተማጻርየኒ ፈሊጠ ኣሎኹ።  ኣነስ ከም በደለኛ ክዅነን እየ፡ ስለምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝጽዕር? ብማይ በረድ እንተ ዝሕጸብ፡ ኣእዳወይውን ኣጸቢቐ እንተ ዘጽሪ፡ ንስኻ ኣብ ዓዘቕቲ ምኣለኽካኒ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈናኒ።  ከይመልሰሉ፡ ሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ ከማይ ሰብ ኣይኰነን፡ ኣብ ክልቴና ኢዱ ዚዝርግሕ እሞ፡ ኣብ መንጎና ዳኛ ዚኸውን የልቦን።  በትሩ ግዳ ኻባይ የግልሰለይ፡ ፍርሃቱውን ኣየናውጻኑ፡  ሽዑ ምተዛረብኩ ኣይምፈራህክዎን ከኣ፡ ኣነ ግና ከምኡ ኣይኰንኩን። ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ፡ ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን፡ ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ። ንኣምላኽ፡ ኣይትዀንነኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጻረረኒ ዘሎኻ? ኣፍልጠኒ፡ እብሎ ኣሎኹ፡ ንተግባር ኢድካ ኽትጭቊኖን ክትንዕቆን ነቲ ምኽሪ ረሲኣን ከኣ ከተብርሆንዶ ባህ የብለካ እዩ? ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን? ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን? ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን? ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን? ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ ኣሎኻ። ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣሎኻ። ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ? ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ። ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ። ግናኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ሐባእካዮ፡ ሓሳብካስ እዚ ኸም ዝነበረ እፈልጥ ኣሎኹ። እንተ ዝብድልሲ ምተቛመትካኒ፡ ካብ ኣበሳይውን ኣይምፈታሕካንን። ረሲእ እንተ ዀንኩ፡ ወይለይ፡ ጻድቕ እንተ ዀንኩ ድማ፡ ሓሳር እጸግብ መከራይውን እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይከኣለንን እዩ። ልዕል እንተ ዘብሎ ድማ፡ ከም ኣንበሳ ምሀደንካኒ፡ መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ግሩም ስልጣንካ መርኤኻ። ሐሓደስቲ ምስክር መቘምካለይ፡ ንቚጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ብዕጽፊ መውረድካዮ፡ እተለዋወጠ ዚጻረረኒ ጭፍራ ምሰደድካለይ። ንምንታይ ደኣ እሞ ካብ ማሕጸን ኣውጻእካኒ? ኣየ፡ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን። ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ፡ ካብ ማሕጸን ናብ መቓብር መውረዱኒ ነይሮም። መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ። መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ። መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።  ድሕሪዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ዚ ብዝሒ ዘረባዶ ምላሽ ኣይኪወሀቦን እዩ? ወይስ ለፍላፊ ሰብዶ ኺጸድቕ እዩ? እዚ ምሕባንካዶ ንሰብ ስቕ ኬብሎ እዩ? ኣላጊጽካስ ዜሕፍረካ ሰብዶ የልቦን? ንስኻውን፡ ትምህርተይ ቅኑዕ እዩ፡ ኣብ ዓይንኻውን ንጹህ እየ፡ ትብል ኣሎኻ። ኣየ፡ ኣምላኽያ እንተ ዚዛረብ፡ ከናፍሩ ኸፊቱ እንተ ዚመልሰልካ፡ ናይ ጥበብ ምስጢራት ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዚገልጸልካ፡ ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዚርስዖ፡ መስተብሀልካ ኔርካ። ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ? ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ? ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ?  ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ። ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ? ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ? ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል የብሉን፡ ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ፡ ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ። ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣሎኒ፡ ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ? ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡ ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ። ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ ኣሎ። እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዚብል ድልዊ እዩ። ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚተሃላለኽዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዚህቦም ብህድኣት ኣለው። ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ? ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡ ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ? ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ። ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን። እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡ እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ። ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም። ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም። ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም። ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም። ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም። ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም። ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ። ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን። ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም። ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም። እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ። ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡ ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ። ግናኸ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክዛረቦ እደሊ፡ ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል ኣሎኹ። ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም። ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ። ንተግሳጸይ ስምዑ፡ ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ፡ ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም? ወራኡ ኽትኰኑ፡ ንኣላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣሎኹም? ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ? ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ ከተዐሽውዎዶ ኢኹም? ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡ ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም እዩ። ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ? ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን እዩ? ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲ፡ ዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ። ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡ ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ። ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞ? ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ ኤንብራ? ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን። ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ እሞ፡ እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ። ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ። እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣሎኹ፡ ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። መን እዩ ዚረትዓኒ? ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን። ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡ ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡ ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይ፡ ግርማኻውን ኣየሸብረኒ። ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒ፡ ኣነውን ክመልስ፡ ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ። ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ። ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ? ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ? ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ? ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ? መሪር ነገር ትጽሕፈለይ፡ ኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ ኣሎኻ። ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡ ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉ፡ ንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ ኣሎኻ። ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦም፡ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ። ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድም፡ ኣይነብርን ድማ። ኣብ ከምዚ ዝበለዶ ኣዒንትኻ ቛሕ ተብል ኣሎኻ? ክፍረድስ ናብ ቅድሜኻዶ ትጐተኒ ኣሎኻ? ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ የልቦን። ዕድመ ሰብ ምዱብ፡ ኣዋርሑ ኣባኻ ቚሩጽ ካብ ኰነ፡ ዘይሐልፋ ደረትውን ካብ ወሰንካሉስ፡ ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት፡ መዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዐርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ። ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፡ ውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ። ስሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፡ ጒንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፡ ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፡ ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር። ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ፡ ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሐሊፋስ፡ ኣበይከ ኣሎ? ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዚፈስስ፡ ርባውን ከም ዚነጽፍን ዚደርቕን፡ ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን። ኣየ፡ ቊጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ፡ እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብኣኒ፡ መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ። ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ? ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ። ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ። ሕጂ ግና ንስጒምተይ ትቘጽረን፡ ንሓጢኣተይሲ ትቋመቶዶ ኣየሎኻን? ንኣበሳይ ኣብ ከረጺት ይሓትሞ፡ ንበደለይውን ተጣብቖ ኣሎኻ። ግናኸ፡ ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡ ከውሒውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡ ከምቲ ማያት ነእማን ዜሕቅቖ፡ ውሒዙውን ንመሬት ምድሪ ዚድምስሶ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ። ንስኻ ንሓዋሩ ትሕይሎ፡ ንሱውን ይሐልፍ፡ ንገጹ ለዊጥካ ይኺድ ትገድፎ። ደቁ እንተ ኸበሩ፡ ኣይፈልጦን፡ እንተ ሐሰሩውን፡ ኣየስተብህሎን እዩ። ስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ ስቓይ እዩ ዚስምዖ፡ ነፍሱ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ እያ እትጒሂ። ድሕርዚ ኸኣ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝዀነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ? ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ? ብፍረ ዜብሉ፡ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፡ ንነገሩ ይከላኸለሉ እዩ? ንስኻ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከንቱ ትገብሮ፡ ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቃልሎ ኣሎኻ፡ ኣበሳኻ ንኣፍካ ይምህሮ፡ ንዘረባ ጐረሓት ትሐሪ ኣሎኻ። ኣፍካ እያ እትዂንነካ፡ ኣይኣነን፡ ገዛእ ከናፍርካውን እየን ንጒድኣትካ ዚምስክራ። እቲ ቐዳማይ ሰብ እተወልደዶ ንስኻ ኢኻ? ቅድሚ ዂርባታትከ ተጠኒስካ ዲኻ? ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ? ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ ኣሎኻ? ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ? ንሕና ዘይተረዳእናዮስ እንታይ ተስተብህል? ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዚዐብዩ ሸያባትን ሽማግሌታትን ኣብ ማእከልና ኣለው። ነቲ ምጽንናዕ ኣምላኽን ነቲ ብለውሃት ንኣኻ እተዘርበ ቓላትንዶ ተናእሶ ኣሎኻ? ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበካ ኣሎ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፋእ ኣጠማምታ ይጥምታ? ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናቐዳሕካ፡ ስለምንታይ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተልዕሎ? ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዚኸውን፡ ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዚኸውን መን እዩ? እንሆ፡ ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን፡ ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን። እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፋንን ብልሽውን እዩ። እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ። እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ። እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ። ርሲእ ምሉእ ዕድሜኡ፡ ጨካንውን ብዂሉ ቚጽሪ ዘመኑ ይጭነቕ። ዜፍርህ ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ዀይኑ የድሂ፡ ደሓን ኣሎኹ ኺብል ከሎ መጥፍኢ ይመጾ። ሰይፊ ይጸናተዎ ኣሎ እሞ፡ ካብ ጸልማት ኬምልጥ ተስፋ የብሉን። ኣበይከ እሞ ይርከብ? ኢሉ ሃለው እናበለ እንጌራ ይደሊ፡ መዓልቲ ጸልማት ኣብ ጥቓ ኢዱ ኸም ዘሎ ይፈልጥ። ጸበባን ጭንቀትን የሸብርዎ፡ ከም ስሉፍ ንጉስ ኰይኖም ይወድቅዎ። ኪጻረሮ ኢሉ ኣእዳው ናብ ኣምላኽ ይዝርግሕ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ይተሃላለኾ፡ ብተሪር ክሳዱ፡ ብረጒድ ዋልታኡ ይገጥመሉ። ገጹ ኣስብሔ፡ ሕቜኡ ኣህጠረ። ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፡ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፡ ንምዕናው እተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩ እሞ፡ ንሱ ኣይጽጉን፡ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፡ ገንዘቡውን ሱሩ ናብ ምድሪ ኣይሰዶን እዩ። ካብ ጸልማት ኣየምልጥን፡ ጨናፍሩ ብሃልሃልታ ይሐርር፡ ብስትንፋስ ኣፉ ይሐልፍ። ዓስቡ ኸንቱነት እዩ ዚኸውን እሞ፡ ስሒቱ ብኸንቱነት ኣይተኣመን። መዓልቱ ኸይበጽሔ ጊዜኡ ይፍጸም፡ ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን። ከም ተኽሊ ወይኑ ፍሬኡ ብጒዕ የውድቕ፡ ከም ኦም ዘይቲ ዕንባባኡ ይረግፍ። እታ ማሕበር ረሲኣን መኻን እያ እሞ፡ ድንኳናት እቶም መማለጃ ዚቕበሉ ሓዊ ይበልዔን። ጻዕሪ ጠኒሶም፡ ጥፍኣት ይወልዱ፡ ከርሶምውን ተንኰል እዩ ዜዳሉ። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ከምዚ ዝበለ ዘረባስ እምብዛ ሰሚዔ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ኲልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም። እዚ ንፋስ ዝዀነ ዘረባኻስ ተወዲኡዶ? ወይስ ክትመልስ እንታይ እዩ ዜላዕለካ ዘሎ? ኣነውን ከማኻትኩም ገይረ ኽዛረብ ምኸኣልኩ፡ ንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ትዀኑስ፡ ርእሰይ እናነቕነቕኩ ቓላት ክሰዂዓልኩም ምኸኣልኩ ነይረ። ብኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ ምጽንናዕ ከናፍረይውን መህድኣኩም ነይሩ። እንተ ተዛረብኩ፡ ቓንዛይ ዝግ ኣይብልን፡ ስቕ እንተ በልኩውን፡ ኣይሐድገንን እዩ። ሕጅስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፡ ንብዘላ ማሕበረይ ኣዕኖኻያ። ምጭምዳደይ ዚጐድኣኒ ምስክር እዩ፡ ዕብራነይ ተንሲኡ ይኸሰኒ። ብቚጥዓኡ ይዘጋግለንን ይሰጐንን፡ ኣስናኑ ይሕርቅመለይ፡ ጸላእየይ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእየኒ ኣሎ። ኣፎም ናባይ ሃህ የብሉ ኣለው፡ እናጸረፉውን ጒንዲ እዝነይ ይጸፍዕኑ፡ ኲሎም ከኣ ይተሓባበሩለይ ኣለው። ኣምላኽ ኣደዳ ዓመጽቲ ገበረኒ፡ ኣብ ኣእዳው ረሲኣን ደርበየኒ። ኣነ ሀዲኤ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቀጥቀጠኒ፡ ብኽሳደይ ሒዙ ሰባበረኒ፡ ዕላማኡ ገይሩ ኣቘመኒ። ሰብ መንትጉ ይኸቡኒ፡ ንዀላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይበሳስዖ፡ ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ይፍስሶ ኣሎ። ከም ጅግና ዀይኑ ወዲቑኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቚስሊ፡ ቚስሊ ወሲኹኒ። ወጮ ኣብ ቈርበተይ ሰፌኹማ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደቤኹ። ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ። ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ። ኣቲ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ፡ ንገዓረይውን ስፍራ ኣይትሀብዮ። ሕጂውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ እንሆ፡ ዋሕሰይውን ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ። ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ። ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ። ገና ሒዶት ዓመታት ኪሐልፋ እየን እሞ፡ በታ ዘይምለሰላ መገዲ ክኸይድ እየ። መንፈሰይ ቀሀመ፡ መዓልትታተይ ይጠፍኣ፡ መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ። መላገጽቲ ኸቢቦምኒ፡ ኣዒንተይ ድማ ብምምራሮም ይሐድራ ኣለዋ። ሕጂ ኸኣ ዕርቡን ሀበኒ፡ ኣባኻ ተወሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ? ከየስተውዕሉስ ንልቦም ዐጺኻዮ ኢኻ እሞ፡ልዕል ኣይከተብሎምን ኢኻ። እቲ ንፈተውቱ ንበዝበዝቲ ኣሕሊፉ ዚህቦም፡ ኣዒንቲ ደቁ ኼሕለልዋ እየን። ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ ገበረኒ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጡፍ መበሊ ዀንኩ። ኣዒንተይ ብሓዘን ሰልመታ፡ ኲለን ኣካላተይ ከም ጽላሎት ኰና። እቶም ቅኑዓት በዚ ኺግረሙ እዮም፡ እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ኪህወኽ እዩ። እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ኣእዳው ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዔ ይኸይድ። ኤረ ዂላትኩም ተመለሱ፡ ንዑ፡ ግናኸ ሓደ ጢቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ። ዘመነይ ሐሊፉ፡ እቲ ልበይ ዚምነዮ ዝነበረ ምምዳበይ ፈሪሱ። ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፡ ጸልማት ከሎስ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ፡ ይብሉ። እቲ ዝጽበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ዀነ፡ መንጸፈይ ኣብቲ ጸልማት እንተ ኣንጸፍኩ፡ ንመቓብር፡ ኣበይ ኢኻ፡ ንሓሳኹውን፡ እኖይን ሓብተይን፡ እንተ በልክዎም፡ ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ? ኤረ ንተስፋይ መን ኪርእያ እዩ? ኣብ ሓመድ ሐቢርና ምስ እንዐርፍ፡ ናብ መርሖታት ሲኦል ክትወርድ እያ። ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ክሳዕ መኣዝከ ኢኹም ዘረባ ዘይትውድኡ? ኣስተብህሉ፡ ደሓር ንዛረብ። ስለምንታይ ከም እንስሳ ተቘጸርና፡ በዒንትኹምስ ከም ርኹሳት ተርኤና፡ ኣታ ብዂራኻ ንነፍስኻ እትብሕጅር፡ ምድሪ ምእንታኻዶ ትባድም? ከውሕስ ካብ ስፍራኡዶ የግልስ? እወ፡ ብርሃን እቲ ረሲእ ይጠፍእ፡ ሃልሃልታ ሓው ኣይበርህን። ኣብ ድንኳኑ እቲ ብርሃን ኪጽልምት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቐንዴልውን ኪጠፍእ እዩ። ስጒምቲ ሓይሉ ይሐጽር፡ ምኽሪ ርእሱ የውድቖ። ኣእጋሩ ናብ መጻወድያ የእትዋኦ፡ ኣብ ልዕሊ ወጽመድ ይመላለስ እዩ እሞ፡ ብሸዀናኡ ወጽመድ ይሕዞ፡ መፈንጠራውን የጽንዖ። ኣብ ምድሪ ገመድ፡ ወጽመድ ኣብ መገዲ ተሐቢኡሉ። ፍርሃት ከኣ ብዂሉ ወገን የጨንቖ፡ ናብ ዝኸዶ ዘበለውን ይሰጎ። ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፡ መዓትውን ኣብ ጥቓኡ ተዳልዩ ይጸንሕ። ንኣባላት ኣካሉ ይበልዖ፡ እወ፡ ናይ ሞት በዂሪ ወዲ ንኣባላቱ ይበልዖ። ካብቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይምንቈስ፡ ናብቲ ንጉስ ረዓድ ይውሰድ። ዘይሰቡ ኣብ ድናኳኑ ይሰፍሩ፡ ኣብ ማሕደሩውን ዲን ይንስነስ። ኣብ ታሕቲ ሰረውሩ ይነቅጽ፡ ኣብ ላዕሊውን ጨናፍሩ ይቚረጽ። ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፡ ኣብ ኣደባባይ ስሙ ኣይስመን፡ ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፡ ካብ ዓለምውን ይስጐጒ። ኣብ ማእከል ህዝቡ ውሉድን ደቂ ደቅን ኣይሐድግን፡ ኣብ ማሕደሩ ትርፊ የልቦን። በታ መዓልቱ እቶም ዳሕሮት ይድነቑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ጸጒሮም ይኽየፍ። ስፍራ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ እዚ እዩ። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጒህይዋ፡ ብዘረባውን ትሰባብሩኒ ኣሎኹም? እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ጸሪፍኩምኒ፡ እትገፍዑንስ ኣይትሐፍሩን ዲኹም? ብርግጽ ተጋግየ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር። ብሓቂ እንተ ተዐቤኹምለይ፡ ስለ ውርደተይ እንተ ገሰጽኩምኒ፡ እምበኣርስ ኣምላኽ ከም ዝዐመጸኒ፡ ብመፈንጠራኡውን ከም ዝኸበበኒ፡ ፍለጡ። እንሆ፡ ተዐሚጸ ኢለ እጠርዕ ኣሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡ ረዲኤት ደልየ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ፍትሒ ዜውጽኣለይ ከኣ የልቦን። ኣነ ኸይሐልፍ ኢሉ ንመገደይ ዐጽይዎ፡ ኣብተን መተሓላለፍየይ ጸልማት ዘርጊሑለን። ንሱ ኽብረተይ ቀንጢጡኒ፡ ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሲድዎ። ብዂሉ ወገነይ ኣውዲቑኒ እዩ እሞ ጠፋእኩ። ንተስፋይ ከም ኦም መንቈሳ። ንቚጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣቃጸሎ፡ ከም ጸላኢኡውን ቈጸረኒ። ጭፍራታቱ ተኣኻኺቦም ኪወድቁኒ መገዲ ይጸርጉ፡ ኣብ ዙርያ ድንኳነይውን ይሰፍሩ ኣለው። ነሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፡ እቶም ዚፈልጡኒ ኸም ኣጋይሽ ኰይኖምኒ። ኣዝማደይ ካባይ ኣድሐርሒሮም፡ ኣመንተይውን ረሲዖምኒ፡ ቤተ ሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ይቘጽሩኒ፡ ጓና መሲለ ተርኤኽዎም። ንግልያይ እጽውዖ፡ ኣቤት ኣይብለንን፡ ትሕት ኢለ ብኣፈይ እልምኖ ኣሎኹ። ሰበይተይ ንስትንፋሰይ፡ ውሉድ ከርሰይ ከኣ ንልመናይ ጸሊኦምዎ። ናእሽቱ ቘልዑ እኳ ይንዕቁኒ፡ ብድድ እንተ በልኩ፡ ይደፍሩኒ ኣለው። ኲሎም መመኽርተይ ፈንፊኖምኒ፡ እቶም ፍቁራተይ ተገምጢሎምኒ። ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፡ ግርጻነይ ጥራይ ተሪፉኒ። ኣቱም ፈተውተይ፡ ኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ እያ እሞ፡ ደንግጹለይ፡ ደንግጹለይ። ንምምታይከ ኸም ኣምላኽ እትሰጉኒ? ንስጋይውን ዘይትጸግብዎ? ኣየ፡ እዚ ዘረባይ እንተ ዚጸሐፍ፡ ኣየ፡ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዚእርነብ፡ ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዚቕረጽ። ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ። እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን። ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሐቒቑ። ንስኻትኩም፡ ሱር እቲ ነገር ኣባይ ዘሎ መሲሉኩም፡ ንሰጐጎ፡ እንተ በልኩም፡ ፍርዲ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣትሲ ሰይፊ እዩ እሞ፡ ንሰይፊ ፍርህዎ። ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ። ዜነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዔ፡ መንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ። ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበ፡ ርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሔ፡ ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእ፡ እቶም ዝረኣይዎ፡ ኣበይ ኣሎ? ኪብሉ እዮም። ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን። እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፡ ቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶም። ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡ ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ። ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡ ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል። ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሐብኦ፡ ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበ፡ ኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዐቘሮ፡ መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡ ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ። ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኺተፍኦ፡ ኣምላኽ ካብ ከብዱ ኼውጽኦ እዩ። ንሕንዚ ተመን ኪመጽዮ፡ መልሓስ ተመን ከኣ ኪቐትሎ እዩ። ንዓይኒ ማይን፡ መዓርን ጸባን ዚውሕዝ ርባታትን ኣይኪርእዮን እዩ። ነቲ ፍረ ድኻሙ ኺመልሶ፡ ኣይኪውሕጦን ከኣ እዩ፡ እቲ ዚመልሶ ብመጠን ሃብቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብእኡ ባህ ኣይብሎን። ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምን፡ ንቤት በዝበዞ፡ ኣይኪሰርሖን ከኣ እዩ። ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስ፡ ካብቲ ዚፈትዎ ገለ እኳ ኣይኬድሕንን እዩ። ስሳዔኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡ ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይኪቐውንም እዩ። ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦ፡ ኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ። ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ ኣምላኽ ጓህሪ ቚጥዓኡ ኺሰደሉ፡ ኪበልዕ ከሎ ኸኣ ኬዝንመሉ እዩ። ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሀደመስ፡ ቀስቲ ኣስራዚ ኺወግኦ እዩ። ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡ እቲ ብልጭልጭ ዚብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡ ስምባድ ይወድቆ። ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዐቚሩሉ፡ ብዘይ መናፍሕ ዚነድድ ሓዊ ኺውሕጦ፡ ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ኪበልዖ እዩ። ሰማያት ንኣባሳኡ ኪቐልዖ፡ ምድሪ ኸኣ ክትልዐሎ እያ። ጥሪት ቤቱ ፋሕ ኪብል፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓኡ ኺፈስስ እዩ። እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡ ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒ፡ ምጽንናዕኩም እዚ ይኹን። ክዛረብ እስኪ ተዐገሱኒ፡ ምስ ተዛረብኩ፡ ኣባጭው። ቊዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ? ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ? ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑ፡ ኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ። ኣነስ እንተ ዘከርክዎ፡ የስካሕክሓኒ፡ ንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ ኣሎ። ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚኣርጉ፡ ስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ? ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብረ፡ሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ። ኣባይቶም ፍርሃት ዜብሉ ህዱእ እዩ፡ ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን። ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፡ ላሞምውን ከየቘልዔት ትወልድ፡ ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፡ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ። ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉ፡ ብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ። ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ። ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ። እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡ ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ። ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእ፡ መዓት ዘይወርዶም፡ ኣምላኽ ብቚጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም? ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዚወስዶ ሓሰር፡ ህቦብላ ኸም ዚብትኖ ብቚቡቚ ዘይኰኑ? ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዐቚሮ፡ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ። ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡ ካብ ቊጥዓ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይስተ። ቊጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትካ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ ኣንታይ ባህ ይብሎ? ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ? እቲ ሓደ፡ ምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡ ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡ ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡ ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት። እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዐመ፡ ነፍሱ እናተመረረት እዩ ዚመውት፡ ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ፡ ሓሰኻውን ይኸድኖም። እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣሎኹ። ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ ኣሎ? እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ? ትብሉ ኣሎኹም። እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም? እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም? ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዚዘርፎ መን ኣሎ? ነታ ዝገበራ ዚፈድዮ መን ኣሎ? ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡ ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ፡ መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፡ ቅድሚኡ ታኣላው ዜብሎም ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ኪስዕብ እዩ። ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም? ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ? ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም። እቲ ዂሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ? ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ? ዚዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዚእቱ፡ ስለ ዝፈርሃካ ድዩ? ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን? ኣበሳኻውን መወዳእታ ዜብሉዶ ኣይኰነን? ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡ ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡ ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮን፡ ንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡ ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡ እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ። ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየን፡ ቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ። ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡ ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡ ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ? ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን? ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት። ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ? ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ? ከይርኢ ደበና ጋሪድዎ፡ ምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል ኣሎኻ። በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ? እቶም ጊዜኣቶም ከይበጽሔ እተቐዝፉ፡ መሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሐዘ ሰባት፡ ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እንታይ ኰን ኪገብረና እዩ? በልዎ። ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልኤን፡ ምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሐቕ፡ ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ። ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ። እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ። ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበል፡ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ። ናብቲ ዂሉ ዚኽእል እንተ ተመለስካ፡ ንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ። ንመዝገብካ ናብ መሬት፡ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ኣእማን ርባ ደርብዮ፡ ሽዑ እቲ ዂሉ ዚኽእል ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ። ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካ፡ ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ። ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ። ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ። እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ። ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ሎሚውን ቊዝማይ ይተሃላለኽ ኣሎ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ ኣላ። ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡ ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሀበኒ። ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፡ ንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ። ነቲ ዚመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎ፡ እንታይ ከም ዚብለኒ ኸኣ መስተውዐልኩ ነይረ። በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኺበኣሰኒ እዩ?ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር። ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡ አነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ። እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን። ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሔ፡ ኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሐብኤ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን። ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ። ኣእጋረይ ኣሰሩ ሕዘን፡ ተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሐሎኽዎ። ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ? ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር። ነቲ እተመደበለይ ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበር፡ እናሐሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ ኣሎኹ። ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል የሸብረኒ ኣሎ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩን፡ ንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን። ስለምንታይ እቲ ዂሉ ዚኽእል ነቲ ጊዜታት ዘይስውሮ፡ ስለምንታይ ደኣ እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልትታቱ ዘይርእይወን? ንዶብ የዝብልዎ፡ ንኸብቲ ዘሚቶም የውፍርወን። ንዘኽታማት ኣድጎም የሕድግዎም፡ ንብዕራይ መበለትውን ታሕዚ ይሕዝዎ፡ ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፡ እቶም ጥቑዓት ምድሪ ሐቢሮም ይሕብኡ። እንሆ፡ ከም ኣድጊ በረኻ ምግቢ እናደለዩ ናብ ውዕለቶም ይወጹ፡ በረኻውን ንደቆም ዚኸውን ምግቢ ይህቦም። ኣብ ግራት ቋርፎም ይእክቡ፡ ኣብ ወይኒ እቲ ረሲእ ይቕርሙ፡ ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሐድሩ፡ ኣብቲ ቚሪ ዚኽደንዎ የብሎምን። ብርቱዕ ማይ ኣኽራን የጠልቅዮም፡ መጸግዒ ስኢኖም ድማ ከውሒ ይሐቚፉ። ንዘኽታም ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፡ ካብ መሳኺን ታሕዚ ይወስዱ። ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱ፡ ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ። ኣብ ውሽጢ መካበብያኦም ዘይቲ ይጸምቁ፡ ኣብ መጽመቚ ይጸምቁ እሞ ይጸምኡ። እህህታ እቶም ውጹዓት ካብቲ ኸተማ ይወጽእ፡ ነፍሳት እቶም ቊሱላት ይጭርሓ ኣለዋ፡ ኣምላኽ ግና ነዚ ዓመጻ ግዱ ኣይገብርን እዩ። እቲኣቶም ካብቶም ንብርሃን ዚጸልኡ እዮም፡ ንጐደናታቱ ኣይፈልጥወንን፡ ኣብ መገድታቱ ኣይጸንዑን። እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ተንሲኡ፡ ነቲ ድኻን ጥቑዕን ይቐትሎ፡ ብለይቲ ኸኣ ከም ሰራቒ እዩ። ዓይኑ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፡ ገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒ፡ እናበለ ገጹ ይጒልበብ። ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉ፡ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም። ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉ፡ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም። ቀልጢፉ ብልዕሊ ማይ ይሰፍፍ፡ ዕድሎም ኣብ ምድሪ ርጉም እዩ፡ ናብቲ መገዲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይምለስን። ደርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ ይውሕጦ፡ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ዝሐጥኡ ይውሕጦም፡ ማሕጸን ይርስዖ፡ ሓሳኹ ብእኡ ይጸግቡ፡ ዚዝክሮውን የልቦን፡ እከይ ከም ኦም ይስበር። ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድካ፡ ንመበለት ጽቡቕ ኣይገብረላን። ንስልጡናት ብሓይሉ ይስሕቦም፡ ይትንስእ እሞ ኲሎም ሰብ ንህይወቶም ይቐብጽዋ። ንሱ ህድኣት ሂቡ የዕርፎም፡ ኣዒንቱውን ንመገዶም ይቛመታ። ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ግና ኣይርከቡን፡ ይወድቁ፡ ከምቶም ካልኦት ኲላቶም ይእከቡ፡ ከም ርእሲ ሰዊት ከኣ ይቚረጹ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ሓሳዊ ኺገብረኒ እዩ? ነቲ ዘረባይከ መን ከንቱ ኺገብሮ ይኽእል? ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ ምልክን ረዓድን ናቱ እዩ፡ ኣብ ኣርያሙ ሰላም ይገብር። ንሰራዊቱ ኪቘጽሮም ዚኽእል መን እዩ? ብርሃኑ ዘይበረቖኸ መን አሎ? ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ? ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል? ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን። ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን። ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ። ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ። ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ? እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ? ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡ ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡ መዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ። ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ። ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን። ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡ ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ። ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ። ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡ ብተግሳጹውን ይሽበሩ። ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ። ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ። ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል? እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ ንነፍሰይ ዜመርራ ዂሉ ዚኽእል፡ ንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡ እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን። ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን። እቲ ረሲእ፡ ንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ? መከራ እንተ ወረዶስ፡ ኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን? ወይስ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ? ኲሉ ጊዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ? ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡ ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይክሐብኣልኩምን እየ። እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ ኣሎኹም? ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዚህቦ ዕድል፡ እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ዚቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡ ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮም፡ ውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን፡ እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩ፡ መበለታቱውን ኣየልቅሳን። ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡ ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡ ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ። ከም ቊንቊነ ቤቱ ይሰርሕ፡ ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ። ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእን፡ ኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡ ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦ፡ ህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ። ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡ ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ። ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡ ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኺሀድም ይደሊ። ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ። ንብሩርስ መብቈሊ፡ ነቲ ወርቂውን ዚፈሰሉ ቦታ ኣለዎ። ሓጺን ካብ ምድሪ፡ ኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዚወጽእ። ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡ ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ። ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡ ካብ እግሪ ተረሲዖም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም፡ ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ። ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዚወጽእ፡ መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል። እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ። ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ። ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣን፡ ዓይኒ ንስሪውን ኣይረኣየታን። እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋን፡ ኣንበሳውን ኣይሐለፋን። ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓ፡ ነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ። ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፡ ዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ። ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዐብሶ፡ ንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ። ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብ? ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ? ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፡ ኤረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን። መዓሙቚ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብል፡ ባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል። ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን፡ ብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ። ብወርቂ ኦፊርን ብኽቡር ዕንቊን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን፡ ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋን፡ ነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን። ብዛዕባ ኣዕናቚን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብ፡ ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላን፡ ብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ። ኤረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእ? ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ። መዓሙቚን ሞትን፡ በእዛንና ወሬኣ ሰሚዕና፡ ይብሉ፡ ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ። ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ። ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉ፡ ንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ፡ ንዝናምሲ ሕጊ፡ ንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ፡  ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻ፡ ኣቚሙውን መርመራ።  ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ። እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ። መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡ ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ኅ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው፡ ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መኦኣልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ። ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡ መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡ መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ፡ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ። ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤ፡ መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ። ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት። ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት። ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒ፡ ንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ። ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ። ፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት። ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ። ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ። ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩ፡ ነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ። ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውት፡ ንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡ ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕ፡ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ። ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፡ ቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ። ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡ ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ። ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡን፡ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ። ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ። ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣመኑንን፡ ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን። መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ። ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒ፡ ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ ዘይመሕበርክዎም፡ ይንዕቁኒ ኣለው። እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኺበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡ ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ኪጠቕመኒ እዩ? ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ። ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡ፡ ሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ። ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡ ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ። ኣብ ዜፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ፡ ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡ ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ። ውሉድ ደናቚርቲ፡ ስም ዜብሉ ዓሌት፡ ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም። ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡ መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡ ርሒቕ ካባይ ሀዲሞም ይፍንፍኑኒ፡ ናብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉ ኣይሐፍሩን እዮም። ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡ ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ። እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡ፡ ነእጋረይ ይደፍእወን፡ ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው። ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስ፡ ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ። ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዚኣትው ዀይኖም ይመጹኒ፡ ብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው። ስምባደ ይወርደኒ፡ ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎ፡ ጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሐሊፉ። ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ ኣላ፡ መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ፡ ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡ ዚቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዐርፍን እዩ። ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡ ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ። ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡ ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ። ናባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ ኣሎኻ። ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ ኣሎኻ። ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡ ብሸምቦባውን ተምክኸኒ ኣሎኻ። ኤረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዚእከቡሉ ቤት፡ ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ ኣሎኹ። ግናኸ ዚወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን? ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ? ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሐዝነሉዶ ኣይነበረትን? እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸ፡ ብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ። ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዐርፍን እዩ፡ መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ። ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር ኣሎኹ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ ኤእዊ። ንወኻሩ ሓወን፡ ንሰገናትውን መሓዝኤን ኰንኩ። ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሐሪሩ። ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘን፡ ዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ። ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል? እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡ እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ? ጥፍኣት ንዓመጽቲ፡ ጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዚመጾም? ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን? ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ? ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ ኣሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡ ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን፡ - ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡ ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡ ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡ ፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ። ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡ ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡ ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ፡ ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ? እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን? ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡ ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡ - ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዐበየ፡ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ። - ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡ ጐኑ ዘይመረቐኒ፡ ጸጒሪ ኣባጊዔይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡ መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡ ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር። መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን። ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡ ነቲ ጽሩይ ወርቂ፡ እምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡ ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡ ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡ ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡ ልበይ ብስውር ተጠቢሩስ፡ ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡ በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ። ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡ - ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን። - ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን? ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡ - መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን፡ ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ። - ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡ ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ። ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎ፡ ዘውደይውን ምገበርክዎ፡ ቊጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡ ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ። ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡ መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡ ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቊለለይ። ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ። እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሐደጉ። ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ ኻብ ዓሌት ራም፡ ብዂራ ተናደደ፡ ንእዮብ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡ ኣበርቲዑ ዀረየሉ። ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውን፡ ንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎ፡ ኰረየሎም። ብዕድመ ይዐብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ከይተዛረቦ ጸንሔ። ኤሊሁ ግና፡ ሰለስቲኦም ብኣፎም ዚመልስዎ ስኢኖም ምስ ረኣየ፡ ብዂራ ተናደደ። ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣነ ብዕድመ ንኡስ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፡ ስለዚ ኸኣ ሐፊረስ ክሳዕ ሕጂ ስቕ በልኩ፡ ሓሳበይውን ኣይገለጽኩልኩምን። ኣነ፡ እተን መዓልትታት ይዛረባ፡ ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ፡ ኢለ ሐሰብኩ። ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ። ዓበይቲ ኣይኰኑን ጠቢባን ዝዀኑ፡ ሽማግሌታትውን ኣይኰኑን ንቕኑዕ ዜስተውዕሉ። ስለዚ ድማ ኣነውን ሓሳበይ ክገልጽሲ፡ ስምዑኒ፡ እብል ኣሎኹ። እንሆ፡ እትዛረብዎ ኽሰምዕ ተጸቤኹ፡ ቃላት ክትምርምሩ ኸሎኹምሲ፡ ንቑም ነገርኩም ጽን በልኩ። ኣጸቢቐ ኣቕለብኩልኩም እሞ፡ እንሆ፡ ንእዮብ ዘረድኦ ንዘረባኡ ኸኣ ምላሽ ዝሀበሉ ካባኻትኩም ሓደ እኳ የልቦን። ንስኻትኩም፡ ጥበብ ረኺብና፡ ኣምላኽ እዩ ዚስዕሮ፡ ሰብ ኣይኰነን፡ ኣይትበሉ። ንኣይስ ገለ እኳ ኣይተዛረበንን፡ ብዘረባኹም ከኣ ኣይክመልሰሉን እየ። ሰምቢዶም፡ ድሕርዚ ዘረባ ስኢኖም፡ ምላሽ ኣይሀቡን። ገለ እኳ ኸይመለሱን ከይተዛረቡን፡ ደው ኢሎም እዮም እሞ፡ ኣነ ኽጽበ ድየ? ኣነውን ብታራይ ክመልስ፡ ኣነ ድማ ሓሳበይ ክገልጽ እየ። ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ ኣሎ። እንሆ፡ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ። ክዛረብ እሞ ከስተንፍስ፡ ከናፍረይ ከፊተስ ክመልስ እየ። ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ። ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ። ዎ እዮብ፡ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ፡ ንዂሉ ቓለይ ከኣ ጽን በሎ። እንሆ፡ ኣፈይ እኸፍት ኣሎኹ፡ መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ። ዘረባይሲ ቕንዕና ልበይ እይ፡ ከናፍረይ ከኣ ነቲ ዚፈልጣኦ ብቕንዕና ኺነግራ እየን። መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡ እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእል እዩ ህይወት ዝሀበኒ። እንተ ኽኢልካስ ምለሰለይ፡ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ፡ ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ። እንሆ፡ ንኣይ ፈሪህካ ኣይክትሽበርን፡ ኢደይውን ኣይክትከብደካን እያ። ብሓቂ ኣብ ኣእዛነይ ተዛረብካ፡ ድምጺ ቓላትካ ሰሚዔ፡ ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡ ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን። እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡ ከም ጸላኢ ይርእየኒ ኣሎ፡ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡ ንዂለን መገደይ ይቋመተን ኣሎ። እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ ኣሎኹ። ብነገሩ ምላሽ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ምስኡ እትካራኸር? ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዘረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ። ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይ፡ ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ፡ ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ። ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ። ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ። ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቓያት፡ ኣብ ዓጽሙ ዂሉ ጊዜ ብቓንዛ ይቕጻዕ፡ ሽዑ ህይወቱ ንእንጌራ፡ ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ። ዘይርኤ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይማስን። እቲ ቕድም ዘይተራእየ ኣዕጽምቱ ይቕላዕ። ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብር፡ ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ። ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡ ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ። ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ። ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኺህቦ እዩ፡ ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡ ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ። ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡ ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡ ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡ ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር። ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡ ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡ ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡ ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር። እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳ፡ ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ። እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳ፡ ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ። ኣታ እዮብ፡ ኣስተብሂልካማ ስማዓኒ፡ ክዛረብሲ ስቕ በል። እትብሎ እንተ ኣልዩካ ምለሰለይ፡ ከጽድቐካ እደሊ ኣሎኹ እሞ፡ ተዛረብ። እንተ ክምህረካስ፡ ጽን በል። ጥበብ ክምህረካስ፡ ስቕ በል። ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡ ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ። ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮ፡ እዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ። ቅኑዕ ንምረጽ፡ ንሰናይ ሐቢርና ነስተብህሎ። እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ። እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ። እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒ፡ ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ይርሐቕ። ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ። ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን። ንምድሪ ሓደራ ዝሀቦ መን እዩ? ንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ? ንሱ ንሰብ እንተ ዚሐስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍኤ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ። ምስትውዓል እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡ ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ። እቲ ንቕንዕና ዚጸልእዶ ኺገዝእ እዩ? ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ? ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡ ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣን፡ ይብሎም እዩ? ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን፡ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን። ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሐልፉን፡ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ። ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ። እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን። ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ ተጠንቂቑ ኺጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡ ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም። ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡ ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ። ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ? ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ? ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ? ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ?  ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኺህብ እዩ? ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡ ኤረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ። ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም። ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም። እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን። እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን። ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ ቅኑዕዶ ይመስለካ? እንታይ ይጠቕመኒ? እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ? ትብል ኣሎኻ እሞ፡ ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡ ኤረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡ እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርኤ እሞ፡ ነቲ ኻባኻ ልዕል ደበና ተመልከቶ። እንተ በደልካስ፡ እንታይ ትገብሮ፡ ኣበሳኻ እንተ በዝሔኸ፡ እንታይ ትጐድኦ ኢኻ? ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ? ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዚቕበሎ? ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦ፡ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ይግዕሩ፡ብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ። ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዚብል የልቦን። ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዚብል የልቦን። ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡ ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሀቦምን። ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰማዖን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን። ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካ፡ ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ። ሕጂኸ ብቚጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዔ፡ ንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ ኣሎ? እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ። ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡ ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ ኣሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ። ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ። ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ። እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ። ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡ ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም። ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡ ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ። ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡ በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡ ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም። እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም። እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡ መዓልትታቶም ብሰናይ፡ ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ። እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡ ብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም። እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን። ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡ ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ። ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡ ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ። ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካ፡ ስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ። ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ። ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡ ካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ። ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ? ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ። ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ። እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ? መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ? መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ኪብሎ ይኽእል? ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር። ኲሎም ይጥምትዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ። እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን። ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም። ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ። ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ? እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ። በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ። ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ። ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡ እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ። እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡ ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ ኣሎ። ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ደሃይ ስምዕዎ። ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ይሰዶ። ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡ በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡ ድምጺ ምስ ዚስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን። ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጒድ፡ ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር። ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ። ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሐትሞ። ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡ ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ። ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፡ ዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ። ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፡ ምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ። ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡ ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም። እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዚእዝዞም ዘበለ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኺገብሩስ፡ ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው። ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ ወይ ንምሕረት የውርዶም። እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ። ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዜቃንዖም፡ ንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጦ ዲኻ? ነቲ ምድልዳል ደበና፡ ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዜደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ? ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ? ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ? ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና። ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪነግርዎ ድዮም? ኪውሐጥ ዚደሊ ሰብዶኸ ኣሎ? ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዚበርህ ብርሃን ኣይርኤን እዩ፡ ግናኸ ንፋስ ሐሊፉ የጽርዮ። ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዚመጽእ፡ ኣምላኽ ብዜፍርህ ግርማ ተኸቢቡ ኣሎ። ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡ ንሓደ እኳ ኣይጭቊንን። ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ፡ ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ? ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ። ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ? ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ። ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ? - ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ - ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ? ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን? ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን? ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ? ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡ ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡ ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ። ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ? ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ? ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡ ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር። ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ? ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ? ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ? ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ? ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ? እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ። ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ? ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ? ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ? ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ? ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ? ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ? በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ? ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ። ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ? ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ? ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ? ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ? እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስ፡ ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ? ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ? ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ? ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ? ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ? ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ? ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ? ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡ ዚምግቦኸ መን እዩ? ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ? ነቲ እራብ ቅልውላው እትተሐዘሉ ጊዜኸ ተመልኪትካዮዶ ኣሎኻ? ነቲ ምብጻሕ ኣዋርሔንዶ ትቘጽሮ? ነቲ ንሳተን ዚወልዳሉ ጊዜስ ትፈልጦዶ? ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፡ ካብቲ ጻዕረን ከኣ ይዐርፋ። መሓስኤን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ይዐብያ፡ ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን፡ ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ? ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ? ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ? ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ? ነቲ ናይ ከተማ ጫውጫው የባዕጭወሉ፡ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን። ነቲ ዚበልዓሉ ጎቦታት ይምልከቶ፡ ለምለም ዘለዎ ዂሉ ኸኣ ይደሊ። ጐባይከ ኺግዝኣካዶ ፍቓዱ እዩ? ኣብ ደምቤኻስ ይሐድረልካዶ? ምእንቲ ኺትልመልካዶ ንጐባይ ብገመድ ትኣስሮ ኢኻ? ደድሕሬኻኸ ንለሴታትዶ ይጒልጒል እዩ? ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝዀነዶ ኽትእመኖ፡ ወይስ ንዕዮኻዶ ኽትገድፈሉ ኢኻ? እኽልኻ ኪኸተልካ፡ ኣብ ዓውዲውን ኪእክቦ ትኣምኖዶ ኢኻ? ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፡ ግናኸ ኣኽናፋን ክንቲታን ርሕሩሕዶ እዩ? ንእንቋቚሖኣ ኣብ ምድሪ ተውድቖ፡ ኣብ ልዕሊ ሑጻውን ተሙቖ። እግሪ ኸይጭፍልቐለይ፡ ኣራዊትውን ከይረግጸለይ፡ ኢላ ኣይትዝክርን እያ። ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡ ምስትውዓልውን ኣይዐደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡ ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን። ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡ ምስትውዓልውን ኣይዐደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡ ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን። ብድድ ኢላ ምስ ሸበበት፡ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቆም። ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ? ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ። ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ። ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን። መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ። ሊላ ንላዕሊ ዚነፍር፡ ኣኽናፋውን ንደቡብ ኣቢሉ ዚዝርግሕከ ብጥበብካ ድዩ? ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ፡ ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ? ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር። ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱ፡ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ። ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ። እግዚኣብሄር ንእዮብ መለሰሉ በሎውን፡ እቲ ወቓሲ ምስቲ ዂሉ ዚኽእልዶ ኺማጐት እዩ? እቲ ንኣምላኽ ዚግስጾ ሕጂ ይምለስ። ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ? ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ። ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡ ኤረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ። ድማ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረቦ በሎውን፡ ሰብኣይ ኩን፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምሀረኒ። ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ፡ ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ፡ ንኣይከ ኽትኲንነኒዶ ትደሊ ኣሎኻ? ከም ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ? ከምቲ ድምጹ ጌርካ ኽተንጐድጒድዶ ይከኣለካ እዩ? እምበኣርስከ ኽብረትን ልዕልናን ተሰለም፡ ክብርን ግርማን ከኣ ልበስ። ንውሒዝ ቊጥዓኻ ኣፍሲስካ፡ ንዕቡይ ዘበለ ዂሉ ጠሚትካ ኣዋርዶ። ንዕቡይ ዘበለስ ጠሚትካ ትሕት ኣብሎ፡ ንረሲኣንውን ኣብ ቦታቶም ርገጾም፡ ንዂላዂሎም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፡ ኤረ ንገጾም ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዕጸዎ፡ ሽዑ ኣነ ድማ፡ የማነይትኻ ተድሕነካ እያ፡ ኢለ ኽንእደካ እየ። ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡ እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ። ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡ ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቶ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ። ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ። ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ። ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ። እናረኣየዶ ይተሐዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ? ንሌዋታን ብመቚለብዶ ትስሕቦ? ንመልሓሱ ብገመድ ትኣስሮዶ ኢኻ? ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ። ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ። ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ። እናረኣየዶ ይተሐዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ? ንሌዋታን ብመቚለብዶ ትስሕቦ? ንመልሓሱ ብገመድ ትኣስሮዶ ኢኻ? እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ። ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ? እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ? ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ። ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ። ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ? ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ? ንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት ኣሎ። እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡ ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም። እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ። ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር። ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ። ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ። ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር። ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ። ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ። ንሱ እንተ ተንስኤ፡ ጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም። ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ። ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰር፡ ነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ። ፍላጻ ኣየህድሞን፡ እምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ። ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮ፡ ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ። ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድፍ። ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮ። ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል። ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን። ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለው ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ። ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ? ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ። ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሀረኒ። ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ። ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ። እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንኤሌፋዝ ቴማናዊ በሎ፡ ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ። ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ። ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ። እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ። ኲሎም ኣሕዋቱን ኲላተን ኣሓቱን ብዘለው እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ፡ ስለቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ ዂሉ መከራታት ከኣ ሐዘኑሉን ኣጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ሐሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሀብዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሊ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ፡ ሹድሽተ ሽሕ ገመል፡ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ። ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ። ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፡ ነታ ኻልኣይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ቄርን - ሃጱኽ ኢሉ ሰመየን። ኣብ ኲላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣዋልድ እዮብ ዝበላ መልክዔኛታት ኣይነበራን። ኣቦኤን ድማ ርስቲ ምስቶም ኣሕዋተን ኣውረሰን። ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሔ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ። ድሕሪዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ። ። ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲኣን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርድ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲኣን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርድ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም። ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፣ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣ ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል። እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ስራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ። እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ አሎኹ፣ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ሴላ። ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ አሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ። ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን። ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ። ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚሐስር፣ ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፣ ሴላ። እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ። ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ሴላ። መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ። ብዙሓት፣ ንሰናይ መንእዩ ዜርእየና፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና። ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ። ናባኻ እጽሊ አሎኹ ኣሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ። ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን። ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም። ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ። ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ። ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም። ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ ኣጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለኣለም እልል ይበሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ። ንጻድቕ ትባርዀ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ። ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፣ ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ብመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ። ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትኣርግ አላ። እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ። እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ። ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም። ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣ ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እተ አልዩ ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣ እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ አዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ። ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ። እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ። ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣’ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ። ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም። ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ። ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ። መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣ ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ። እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ። ጕድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ። ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣ ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ። ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፣ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣ ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ እንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ። ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑል፣ ንስምካ ኽዝምር እየ። ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፣ ወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ። መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣ ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ። ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣ ስሞም ከኣ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ። ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣ ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን። እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ነጊሱ ይነብር፣ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ፣ ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጐምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም። እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ። እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ። ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ። ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ። ኣህዛብ ናብታ ዝዀዐትዋ ጕድጓድ ጸደፉ፣ በቲ ዝሐብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ። እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጽድቂ ገበረ፣ ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። ሂጋዮን። ሴላ። ረሲኣን፣ ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣ ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ። ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይኪጠፍእን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተስእ፣ ሰብሲ ኣይትበርትዕ። ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣ ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደኣ ይፍለጡ። ሴላ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ደበባስ እትኽወል፣ ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ። መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም። ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ። ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ። ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሽጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ። ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕቢኡኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ። ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጐ ኣጽፋሩ ይወድቁ። ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፣ ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይወፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ። ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእነቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፋኣዮ። እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ። ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቍበ አሎኹ፣ ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፣ ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ። መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ። እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም። እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን። ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ፣ እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃበጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፣ ዚብሉን ኪምንቍሶም እዩ። እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃበጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፣ ዚብሉን ኪምንቍሶም እዩ። ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቕውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለኣለም ክትዕቅቦም ኢኻ። ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፣ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፣ ክሳዕ መኣዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፣ ጸላእየይከ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚዕብልለኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ብልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ። ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን። ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፣ እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም። ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ አሎኹም፣ ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ። ኣየ፣ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዚመጽእ። እግዚኣብሄር ምርኰ ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፣ ሽዑ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤልውን ባህ ኪብል እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፣ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፣ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ኰነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ሐልወኒ። ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ። ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውኡን። ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ። እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ፣ ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርዀ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን። ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጽድቂ ስምዓዮ፣ ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፣ ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለስ። ፍትሔይ ካብ ገጽካ ይውጻእ፣ ኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርአያኣ። ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፣ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዐቂበ። ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፣ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን። ዎ ኣምላኽ፣ ትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ እጽውዓካ፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ንዘረባይ ጽን በሎ። ነቶም ካብ ተጻረርቶም ኣብኻ ዜዕቍቡ፣ ንስኻ ብየማናይ ኢድካ እተናግፎም፣ እቲ ዜደንቕ ሳህልኻ ኣርእዮም። ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ። ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ። ንልቦም ብስብሒ ይዐጽውዎ፣ ብኣፎም ትዕቢት ይዛረቡ አለዉ። ኣስኣሰርና ስዒቦም ሕጂ ይኸቡና፣ ናብ ምድሪ ኼውድቑና ኣዒንቶም የፍጥጡ አለዉ። ነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተለዐል፣ ግጠመሉ፣ ኣውድቖ። ንነፍሰይ ካብ ረሲእ ብሴፍካ ኣናግፋ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፣ ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእ፣ ውሉዶም ዝበዝሑሎም፣ ተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዚሐድጉ ሰባት፣ ብኢድካ ኣድሕነኒ። ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ። ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ ኤፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ። ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ። መኣስር ሞት ከቢቡኒ፣ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፣ መኣስር ሲኦል ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ። ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ። ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንደቕደቑ፣ ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ። ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ። ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ። ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፣ ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ። ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ። ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቕ ኣብዚሑ ኣህደሞም። ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቝ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ። ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒ፣ ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ። እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካባኦም ኣናገፈኒ። ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ። ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽኣኒ፣ ብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ። ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ። ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ። ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ። ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ። ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ። ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ። ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ። ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ። ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ። መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ። ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ እምላኽ፣ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፣ እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቝመኒ፣ ንሱ ነእዳወይ ወግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ። ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ። ንጸላእተይ ስጕጐዮምን ኣርኪበዮምን፣ ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን። ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም። ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም። ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም። ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን። ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቝሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም። ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ። ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ። ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፣ እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም። እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል። እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፣ ነህዛብውን ዜግዝኣለይ፣ ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ። ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ንስምካውን ክዝምረሉ እየ። ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡ፣ ንዳዊት፣ ንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም። ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ። ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ። ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም። ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ፣ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ አላ። ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን። ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለኣለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓቢ ኻሕሳ አሎ። ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፣ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ፣ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፣ ሽዑ ምሉእ ኪኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን። እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ። ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ። ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዝክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። ሴላ። ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንዅሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ። ንቕቡኡ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቱ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ። ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና። ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፣ ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ። ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣ ልማኖ ኸናፍሩውን ኣይከላእካዮን። ሴላ። ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ። ህይወት ለመነካ፣ ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለኣለም ሀብካዮ። ብሳላ ምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፣ ድንቅን ግርማን ድማ ወሰኽካዮ። ንዘለኣለም ንበረኸት ጌርካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብደስታ ኣሐጐስካዮ። እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ይእመን እዩ እሞ፣ ብምሕረት እቲ ልዑል ከቶ ኣይኪዘናባዕን እዩ። ንጸላእትካ ዘበሉ ኢድካ ኽትረኽቦም እያ፣ የማነይትኻ ነቶም ዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ። ምስ እትበጽሖምሲ፣ ከም ርሱን እቶን ክትገብሮም ኢኻ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኺውሕጦም፣ ሓዊ ድማ ኪበልዖም እዩ። ንፍሬኦም ካብ ምድሪ፣ ንዘርኦምውን ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ከተጥፍኦ ኢኻ። ክፍኣት ሐሊኖምልካ እዮም እሞ፣ ዘየስልጥዎ እከይ መኸሩ። ዝባኖም ከተምልሶም ኢኻ እሞ፣ ቀስትኻ ናብ ግምባሮም ኣቢልካ ኸተዳሉ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓይልኻ ልዕል በል፣ ንስልጣንካ ኽንዝምርን ክንውድስን ኢና። ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፣ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ። ዎ ኣምላኸይ፣ ብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስን፣ ብመዓልቲውን ትም ኣይብልን። ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ። ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም። ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን። ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብን፣ ብህብዚ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን። ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጽእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ጭንቂ ቐሪቡ አሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። ብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒ፣ ብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ። ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ አለዉ። ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ፣ ልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸ። ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣ ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒ። ኣኽላባት ከቢቦምኒ፣ ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፣ ነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ። ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። ንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ። ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒ። ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎ፣ ዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎ። ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖን፣ ኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስ፣ ሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን። እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም። መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ። ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም። ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትዉሉ እዮም። ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዝወለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኪነግርዎ እዮም። እግዚኣብሄር ጓሰይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓዊ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም። እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም። ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፣ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፣ እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ንጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጽድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። ሴላ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለኣለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፣ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለኣለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪእቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፣ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። ሴላ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም። ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለኣለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ። እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺመህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺምርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ። ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልዉስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን። ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ። ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፣ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ። ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኪወርሳ እዩ። ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ። ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን። ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቍሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን። ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ። ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ አለዉ። ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣይትሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ አሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይሐንኰልኩ ኸኣ ኣብ ኣግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ። ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ። ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ። ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣ ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣ ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድሕነኒ ምሐረኒውን። እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ። እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ ኢኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት አሎኒ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሓብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፣ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሓብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፣ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ። ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳንውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብ፣ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ። ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ፣ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ንባርያኻ ብቝጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ፣ ኣይትጠንጥነኒ፣ ኣይትሕደገኒ። ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ። ሓሰውቲ ምስክርን ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎምኒ እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ። ኣየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርእዮ እንተ ዘይአምንሲ … ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ። ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ። ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ። ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም። ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ። እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዀኖ። እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ። እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡእውን ዕርዲ ምድሓን እዩ። ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኰ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም። ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ፣ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ። ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ። ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርዀ። ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጕድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ። ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ። ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ። ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጐስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣ ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፣ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኰ ድዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሐረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን። ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ። ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ። እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፣ ጽኑዕ ከውሒ፣ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ። እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን። ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ። ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ፣ ኣድሒንካኒ ኢኻ። ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል። ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ። ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒ፣ ዓይነይ፣ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ። ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣ ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፣ ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፣ ንዚፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፣ እቶም ኣብ ኣደባባይ ዚርእዩኒ ኻባይ ይሀድሙ አለዉ። ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ። ሕሜት ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ አሎ። ንጕድኣተይ ኪመኽሩ ኸለዉ፣ ንህይወተይ ኪነጥቅዋ ጠላለፉ። ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩ። ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ። ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፣ ንሳህልኻ ኣድሕነኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ አሎኹ እሞ፣ ኣይትሕፍረኒ። ረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ። እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደኣ። ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ። ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም። ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣነስ ብስምባደይ፣ ካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፣ በልኩ፣ ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፣ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ። ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፣ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም፣ ንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ። ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፣ በርትዑ፣ ልብኹምውን ይጽናዕ። ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ። ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ። ሴላ። ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሰወርኩን፣ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ። ሴላ። ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ። ንስኻ ኸውለይ ኢካ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣ ሴላ። ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ። ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበዩ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ። ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ አለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ። ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጕሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ። ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር እልል በሉ፣ ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ። ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ። ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ። ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ። ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፣ ምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ። ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ። ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮ፣ ንመዓሙቝ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ። ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ አዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ። ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ አዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ። እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ። ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም። እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፣ እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ። እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ። ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንን። ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍን። ፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፣ ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን። እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፉ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ። እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፉ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ። ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ። ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቍብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን። ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርዀ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ። መልኣኸ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ። ኰረኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ። ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፣ መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ። ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን። ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪኹነኑ እዮም። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቍቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይዅነንን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብኣሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም። ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ። ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ። ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝብቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጐም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጐም። ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ። ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣’ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፣ ኪብላ እየን። ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ። ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣’ ቀደዱኒ ኣይሐደጉንንውን። ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ። ጐይታየ፣ ክሳዕ መኣዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፣ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣’ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ። ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ። ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅካ በይነለይ፣ ብኣይ ድማ ኣይተሐጕሶም። ብልቦም፣ ኣሰይ፣ ድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉ፣ ወሐጥናዮ፣ ኣይበሉ። ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ። እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ። ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን። ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ፣ በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፣ ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ። ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውም፣ ንእከይ ኣይጽየፎን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፣ እምነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ። ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ። ዎ ኣምላኽ፣ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ። ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም። ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና። ሳህልኻ ነቶም ዚፈልጡኻ፣ ጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ። እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒ። ኢድ ረሲኣን ኣይትስጐጐኒ። እንሆ፣ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑ። ተፈገሙ፣ ኪትንስኡ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር፣ ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ። ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ። እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ። ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ። ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ። ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም። ረሲኣን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም። እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። ንእሽቶ ነበርኩ፣ አሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጐምን፣ ንዘለኣለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጐምን፣ ንዘለኣለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር። ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልብ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎውን ይደሊ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጐን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ። ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ። ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኽብክዎን። ንፍጹም ሰብስ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ ሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ። ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፣ ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ። ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ አላ። በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ። በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ። ብሰሪ ዕሽነተይ፣ ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን አሎ። ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ። ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ ይብሉን። ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ። ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን። ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ። ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ክብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ አለዉ። ንነፍሰይ ዝደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ አለዉ። ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፣ ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ። እወ፣ ከም ዘይሰምዕ፣ ብኣፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብኣይ ኰንኩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፣ ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ። እግረይ እንተ ኣንደልሀጸ፣ ከይዕበዩለይ እሞ፣ ብኣይ ከይሕጐሱ፣ በልኩ። ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። በደለይ እናዘዝ አሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ አሎኹ። ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም። ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም። ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ አለዉ። ጐይታይ፣ ኣይትሕደገኒ፣ ኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። ጐይታይ፣ ምድሓነይ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ። ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ። ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣ ከስተንትን ከሎኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣ ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። ሴላ። ብሓዊ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣ ይድልብ፣ ንመን ምዃንውን ኣይፈልጥን። ሕጂኸ፣ እንታይ እጽበ አሎኹ፣ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ። ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ ኣይትግበረኒ። ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን። ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ። ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕክዮ፣ ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ሴላ። ኣብ ቅድሚኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣበታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል። ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ክቐስንሲ፣ ሕደገኒ። ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ። ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቝሙ፣ ንስጕምተይ ኣጽንዖ። ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ። ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ። ንመስዋእትን መባእን ባህጉ፣ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደል ኢኻ። ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ። ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካንን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሐባእኩን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ። ቍጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ፣ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፣ በደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈርን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ። ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍይይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየ፣ ኣይትደንጕ። ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ። ጸላእተይ፣ መኣዝ ኰን ኪመውት፣ መኣዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፣ ኢሎም ብኣይ ክፉእ ይዛረቡ አለዉ። ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ። ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው። ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው። እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀንኡ ኣልዐለለይ። ንሳኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስኣኒ። ጸላእየይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ። ንኣይስ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ አሎኻ። እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣልም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን። እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ አላ። ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መኣዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ። ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘርከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት። ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ዎ ኣምላኸይ፣ ንፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ አሎኹ። ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቝ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ። እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ አሎ፣ ንኣምላኽ ህይወተይውን እልምን። ኣነ ንኣምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፣ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፣ እብሎ አሎኹ። ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ እናበሉ፣ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዚቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ። ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ። ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፣ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ አሎኹ፣ ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ። ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፣ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፣ በእዛንና ሰሚዕናዮ። ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፣ ብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጕጒካ፣ ንኣታቶም ተኸልካ፣ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ። ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፣ ብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጕጒካ፣ ንኣታቶም ተኸልካ፣ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣ ምድሓን ያእቆብ አዝዝ። ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፣ ሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም። ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፣ ሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም። ካብ ተጻረርትና ዘድሐንካና፣ ንጸላእትናውን ዘሕፈርክዮምሲ ንስኻ ኢኻ። ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበን፣ ንስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን። ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፣ ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን ኢኻ። ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፣ ጸላእትናውን ዘመቱና። ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣ ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፣ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን። ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና። ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና። ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፉኑኒ አሎ። ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፉኑኒ አሎ። እዚ ዅሉ በጽሓና። ግናኸ ኣይረሳዕናካን፣ ኪዳንካውን ኣይጠለምናን። ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽልሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን። ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽልሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን። ስም ኣምላኽ ረሲዕና፣ ኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፣ ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፣ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና። ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፣ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና። ንምንታይከ ገጽካ እትኽውል፣ መከራናን ጸበባናን እትርስዕ፣ ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒና፣ ስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፣ ንረዲኤትና ተንስእ፣ ምእንቲ ሳህላውን ኣድሕነና። ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ። ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኽካ። ኣታ ጅግና፣ ሰይፍኻ ኣብ ሕቜኻ ዕጠቕ፣ ክብርኻን ግርማኻን ልበስ። ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ፣ የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ። ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ። ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ። ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፣ ኣብ ኣደራሽ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ አሎ። ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም አላ። ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጐ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ። ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። ዝንጕርጕር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ኬእትውዋ፣ ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኺወስድወን እዮም። ብሓጐስን እልልታን ተዐጂበን ኪመጻ፣ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኪአትዋ እየን። ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ። ካብ ወለዶ ንወለዶኻ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለኣለም ኬመስግኑኻ እዮም። ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ሴላ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ሴላ። ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ። ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹ፣ ድምጹ ኣስምዔ፣ ምድሪ መኸኸት። ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ። ንዑ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፣ ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ። ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ። ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። ሴላ። ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ። ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ። ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። ሴላ። ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ። ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ። መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ አለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ። ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ። ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል። ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ። ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ። ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም። ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቅ ትሰባብረን። ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ። ሴላ። ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ። ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ። ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁድ እልል ይብላ። ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቝጸሩ። ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ። እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ። ኵሉኹም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ። ኵሉኹም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ። ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፣ ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ። እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፣ ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ አሎኹ። እከይ እቶም ዚረግጹኒ ኪኸበኒ ኸሎ፣ ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ፣ እቶም ኣብ ገንዘቦም ዚውከሉ፣ ብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዚምክሑ ዘለዉስ፣ ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። ጢቢባን ከም ዚሞቱ፣ ዓሻን ደንቈሮን ሐቢሮም ከም ዚጠፍኡ፣ ገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሐድጉሎምሲ ኺርኢ ደኣ እዩ። ኣባይቶም ንዘለኣለም፣ ንመሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዚነብር፣ ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ። ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ አለዉ። ግናኸ ሰብ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል፣ ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ። እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፣ ድሕሪኦም ዚመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ። ሴላ። ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩ፣ ሞት ይጓስዮም። ንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎም፣ ውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእ፣ ማሕደርውን የብሎምን። ኣምላኽ ግና ኪቕበለኒ እዩ እሞ፣ ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ኬናግፋ እዩ። ሴላ። ሰብ እንተ ሀብተመ። ክብሩ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፣ ምስ ዚመውት፣ ገለ እኳ ኣይማላእን። ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፣ ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፣ ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፣ ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርእዩ ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ። ምስትውዓል ዜብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍአ እንስሳ እዩ ዚመስል። እቲ ስልጡን ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር፣ ተዛረበ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ። ካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕ፣ ኣምላኽ ደመቐ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ አሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ። ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ። ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ። ሴላ። ኣታ ህዝበይ፣ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፣ ኣታ እስራኤል፣ ኣነ ኽምስክር እየ፣ ኣነ ኣምላኽሲ ፣ ኣምላኽካ እየ። ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካን፣ መስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን። ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፣ ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፣ መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኣሉ፣ መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ። ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፣ ኣነ ኸናግፈካ እየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ። ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፣ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፣ ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፣ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፣ ሰራቒ ምስ ርኤኻ፣ ምስኡ ሐበርካ፣ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፣ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ። ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሐምዮ፣ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ። እዚ እናገበርካስ፣ ኣነ ስቕ በልኩልካ፣ እህ፣ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፣ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፣ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቝሞ እየ። ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፣ ኣነ ኸይሰላልዓኩም እሞ፣ ዜናግፈኩም ከይትስእኑስ፣ ነዚ ኣስተብህልዎ። መስዋእቲ ምስጋና ዚስውኣለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ። ዎ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ብዘረባኻ ጻድቕ፣ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። እንሆ፣ ብኣበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። እንሆ፣ ብሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ። ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ። እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስ፣ ባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ። ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ። ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ። መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ። ጐይታየ፣ ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጐን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም። ኣታ ሓያል፣ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉ፣ ጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር። ኣታ መታለሊ፣ መልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ አላ። ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ አሎኻ ሴላ። ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፣ ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ አሎኺ። ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ፣ ኪሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ኪምንጥለኪ፣ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ። ሴላ። ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብኣይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም። ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብኣይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም። ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለኣለመ ኣለም እውከል። እዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ። ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን። ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቈሉ ይጥምት። ኵሎም ዐልዮም፣ ብዘለዉ ተባላሽዮም፣ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን። እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፣ ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፣ ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም። ኣየ፣ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶም፣ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ። ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ። ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። ሴላ። እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ። ንእከይ ናብ ጸላእተይ ክመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም። ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ። ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም። ዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሓባእ። ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ። ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ። ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ። ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ። ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ፣ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ። እንሆ፣ ኣርሒቐ ምሀደምኩ፣ ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። ሴላ። ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ። ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ። ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ። ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን። ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኽውንሲ ምተሐባእኩ፣ ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ። ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና። እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ። ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ። ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቝዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ። ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ። ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። ሴላ። ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ። ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተምሰተ ኣስያፍ እዩ። ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጐን። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቝ ጕድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሜኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግን ኣባኻ እውከል አሎኹ። ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ። ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ። በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል። ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፣ ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይከራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ። ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም ኣሞ፣ ስጕምተይ ይስልዩ አለዉ። ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፣ ዎ ኣምላኽ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም። ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፣ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ። ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፣ ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ። ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ። ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቍብ አላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ። ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ። ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ ሴላ። ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መልሓሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ አሎኹ። ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻወዱለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። ሴላ። ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ። ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ። ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ። ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፣ ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፣ ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ። ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፣ ሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ። ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም። ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፣ ጐይታየ፣ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ። ከም ዚኵዖ ማይ ይከዐዉ። ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ። ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ። ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፣ ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ። ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ። ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ አለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ አሎ፣ ኪብሉ እዮም። ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቝመኒ። ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ። እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጸናተውዋ አለዉ እሞ፣ ጐይታየ፣ ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሐቢሮም ዘለዉ። ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፣ ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ። ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣ ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር። ሴላ። ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ። መንከ ዚሰምዕ አሎ፣ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣ ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ አሎ። ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣ ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ። እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ። ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ። ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ኣታ ጐይታና፣ ዋልታና፣ ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም። ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣ ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ። ብዅራካ ኣጥፍኣዮም፣ ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም። ሴላ። ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ። መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፣ ከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ አለዉ። ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባይውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል አሎኹ። ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር አሎኹ። ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና። ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ አላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን። ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና። ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ሴላ። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና። ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኰትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ። ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ከኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ። ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ። ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፣ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፣ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፣ ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና። ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ። ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ። ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ። ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ። ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ። ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን። ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተውድቕዎስ፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፣ ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብኣፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ አለዉ። ሴላ። ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸብዪ። ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ። ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ። ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። ሴላ። ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ። ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፣ ብዘመተ ኸኣ ከንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔ፣ ልብኹም ኣይተውድቑሉ። ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ አላ። እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም። ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ። ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ። ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መልሓሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ። ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መልሓሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ። ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፣ መፈንጠራ ኼጻዉዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየና፣ ይብሉ አለዉ። እከይ ሐሰቡ፣ ኣዝዮም መርመሩ፣ ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙ። ውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቝ እዩ። ኣምላኽ ይወግኦም፣ ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ። ይወድቁ፣ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ፣ ዚርእዮም ዘበለ ርእሱ ኺንቕንቕ እዩ። ኵሎም ሰባት ከኣ ኪፈርሁ፣ ንግብሪ ኣምላኽ ድማ ኬዘንትዉ፣ ንዕዮኡውን ኬስተብህሉ እዮም። ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ፣ ኣብኡ ኸኣ ኪውከል፣ ቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ኪሕበኑ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፣ መብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ። ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ። ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ፣ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና። ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን። ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም። ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቝላ ትባርዀ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ። ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ። ኣሳውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጕልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን አለዉ። ኵሉኹም ሃገራት፣ ንኣምላኽ እልል በሉሉ፣ ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ፣ ንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ። ንኣምላኽ ከኣ፣ ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ፣ ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻ፣ በልዎ። ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፣ ንስምካ ኽትዝምር እያ። ሴላ። ንዑ፣ ኣምላኽ ዝገብሮ ኸኣ ርአዩ፣ ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ። ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፣ ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፣ ሽዑ ብእኡ ተሐጐስና። ብስልጣኑ ንዘለኣለም ይገዝእ፣ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታ። ዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ። ሴላ። ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ። ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ። ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና። ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፣ ብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና። መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ። መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ። ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፣ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ። ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ። ሴላ። ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑ፣ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፣ ስምዑ። ብኣፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፣ ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሓሰይ ነበረ። ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ። ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ። እቲ ንጸሎተይ ዘይነዐቐ፣ ጸጋኡውን ዘየርሐቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ። ኣምላኽ ይምሐረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። ሴላ። መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና። ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ። ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። ሴላ። ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ። ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ። ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲኣን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ። ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ። ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ። ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ። ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ፣ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፣ ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት። ዎ ኣምላኽ፣ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሐመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ። ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም። እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን። ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኰ ትማቐል። ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ። ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ። ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኹም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዀኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኺነብር እዩ። ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ። ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኰ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐቢልካ። እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጻወር አሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታን፣ መንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ። እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ። እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ። ዎ ኣምላኽ፣ ኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ። ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዓቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ። ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ። ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦም፣ መሳፍንቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎን፣ መሳፍንቲ ንፍታሌም አለዉ። ኣምላኽካ ንሓይልኻ አዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም። ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም። መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ። ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ። ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ። ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ። ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣድሕነኒ። ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቝ ሰልሚ ሰጢመ፣ ኣብ ጥልቂ ማያት አትየ፣ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ። ብምእዋየይ ደኺመ፣ ጐረሮይ ነቒጹ፣ ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን። ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን። ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ። ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ። እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም። ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብኣይ ይጭፍሩ። ኣታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ። ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽኣኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ። ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቑ ድማ ኣይውሐጠኒ፣ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይትዕጾ። ጐይታየ፣ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣ ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ። ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ። ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣ ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ። ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣ ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ አለዉ። ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣ ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ። ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ። መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይዀኖም፣ ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይዀኖም። ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፣ ንሓቛቝኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ። መዓትካ ኣፍስሰሎም፣ ረስኒ ቝጥዓኻውን የርክቦም። ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣ ናይቶም ዘቝሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ አለዉ እሞ፣ ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኰም፣ ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ። ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ። ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ። ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፣ ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ፣ እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣ ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር። እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር። ሰማይን ምድርን ባሕርን፣ ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ። ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕና፣ ንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣ ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስትዩን፣ ዘርኢ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን። ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ። እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብኣኻ ባህ ይበሎምን ይተሐጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ። ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጕ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እወከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ። ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ። ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ዀነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ አዘዝካ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ። ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንኣኻ እዩ። ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ። ኣፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልኣዮ። ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ንምርዳኤይ ፍጠን። እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ። ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ። ቍጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ። ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጽድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ። ዎ ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ። ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፣ ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻና፣ መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ክብ መዓሙቝ ምድሪ ኸተውጽኣኒ ኢኻ። ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ክትከበኒ ኢኻ። ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፣ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ። ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን። እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ። ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም። ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ንጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ። ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም። ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምዀም እዩ። ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም። ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ። ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፣ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም። ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም። ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም። ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም። ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም። ስሙ ንዘለኣለሙ ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም። እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፣ ኣሜን። ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ። ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፣ ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ። ኣነ ግን ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም። ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣ ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን። ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም፣ ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም። ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል። የላግጹ፣ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ አለዉ። ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ፣ መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ። ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፣ ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ። ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፣ ልዑልከ ፍልጠትዶ አለዎ እዩ፣ ይብሉ አለዉ። እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም፣ ሃብቲ ይውስኹ አለዉ። ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዐ እየ እሞ፣ እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ። ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዐ እየ እሞ፣ እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ። ከምኦም ክዛረብ እየ፣ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፣ ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ። ነዚ ኽስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ። ነዚ ኽስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ። ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፣ ናብ ጥፍኣት ተውድቖም። ከመይከ ብድንገት ባደሙ፣ ጸነቱ፣ ብስምባድውን ተወድኡ። ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፣ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስ ነቓሕካ፣ ንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቆ ኢኻ። ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፣ ዐሾኹ፣ ደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ። ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፣ ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ። ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፣ ንኣኻ ኻብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዚደልዩ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ። እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም። ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ። ዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፣ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፣ ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር። ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለኣለም ዑና ኣልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ አሎ። ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ። ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሎ ሰብ ይመስሉ። ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ። ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም። ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን። ምልክትና ኣይንርአን፣ ነቢዪ የሎን፣ ክሳዕ መኣዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን። ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፣ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፣ ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይትኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፣ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም። ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ። ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ። ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም። ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ። መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ንትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገብርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም። ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣ ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኪንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ። እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት። እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ። ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር። ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል አሎ። ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ አሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተኣምራትካ የዘንትውዎ። ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ ቅኑዕ ክፈርድ እየ። ምድርን ኣብኣ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። ሴላ። ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም። ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ። ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣ ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል። ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም። ኣነ ግና ንዘለኣለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣ ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ። ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፡ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ። ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፡ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ። ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፡ ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ሰባበረ።ሴላ። ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ። እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፡ ድቃሶም ደቀሱ፡ ኲላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ። ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፡ ክትቊጣዕ ከሎኻኸ፡ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል? ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ። ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ። ኲራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፡ ትርፊ ዂራ ኽትዕጠቕ ኢኻ። ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽኩም፡ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኲሉኹም፡ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ። ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፡ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ። ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፡ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል ኣሎኹ፡ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ። ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡ ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፡ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት። ንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን ኣሎኹ፡ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን ኣሎ።ሴላ። ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፡ እሽገር ምዝራብውን እስእን ኣሎኹ። ናይ ቀደም መዓልትታት፡ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር ኣሎኹ። ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፡ ምስ ልበይ ኤስተንትን ኣሎኹ፡ መንፈሰይውን ይምርምር ኣሎ፡ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ይድርቢ? ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ? ጸጋኡስ ንዘለኣለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ? ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተወዲኡ? ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ረሲዕዎ? ንምሕረቱስ ብዂራዶ ዐጽይዎ እዩ?ሴላ። ኣነ በልኩ፡ እዚ እዩ ድኻመይ፡ ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር ኣሎኹ። ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፡ ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትናኦ፡ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ። ዎ ኣምላኽ፡ መገድኻ ብቕድስና እዩ፡ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን ኣሎ? ተኣምራት እትገብ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ። ንህዝብኻ፡ ንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍን፡ ብቕልጽምካ ተበጆኻዮ።ሴላ። ዎ ኣምላኽ፡ ማያት ረኣዩኻ፡ ማያት ረኣዩኻ ተሸበሩውን፡ እወ፡ መዓመቚ ተናወጸ። ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፡ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፡ ፍላጻታትካውን ተወርወረ። ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፡ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፡ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን። ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፡ መገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፡ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን። ንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ። ዎ ህዝበይ፡ ንሕገይ ጽን በሎ፡ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን። ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡ ኣቦታትናውን ዘዘንትዉልና፡ ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፡ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን ደኣ ንነግሮ። እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፡ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፡ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፡ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኰኑስ፡ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም። *** *** *** ውሉድ ኤፍሬም፡ ተዋጋእትን ወርወርትን፡ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ። ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፡ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፡ ንግብርታቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ። ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ መሮር ጾዓን፡ ተኣምራት ገበረ። ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፡ ንማይ ከም ኲምራ ኣቘሞ። መዓልቲ ብደበና፡ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም። ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፡ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም። ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤ፡ ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ። ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፡ እናቐጸሉ በደልዎ። ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፡ ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ። ንሳቶም፡ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ? እንሆ፡ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፡ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፡ ንኸውሒ ወቕዖ፡ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፡ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከኣሎ እዩ? ኢሎም ንኣምላኽ ሐመይዎ። *** ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፡ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፡ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፡ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ። *** ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፡ መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ፡ ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና ኣዝነመሎም፡ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም። ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፡ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም። ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፡ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ። ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፡ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝነመሎም። ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም። በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፡ ትምኒቶምውን ሀቦም። ትምኒቶም ገና ኸይወኡ፡ ብልዖምአን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡ መዓት ኣምላኽ ወረዶም፡ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፡ ነጒባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም። ምስናይ እዚ ዂሉ መሊሶም በደሉ፡ ብተኣምልራቱ ኸኣ ኣይኣመኑን። ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፡ ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን። ኪቐትሎም ከሎ፡ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፡ ተመሊሶም ከኣ፡ ኣንጊሆም ንኣምላኽ ደለይዎ። ኣምላኽሲ ኽውሖም፡ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘክሩ። ብኣፎም ኣቃባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ። ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔን፡ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን። ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፡ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ኣየጥፍኦምን ከኣ፡ ንዂራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፡ ንዂሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን። ስጋ ምዃኖም፡ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ። ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጒሀይዎ። ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ። ንኢዱን ነቲ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡ ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፡ ኣይዘከሩን። *** ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፡ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ። ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፡ ዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም። ብቋልያኦም ንቓቔጣ፡ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ። ንወይኖም ብበረድ፡ ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ። ከብቶም ንበረድ፡ መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሀበን። ሓዊ ዂራኡ፡ ቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፡ ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፡ ኣውደቐሎም። ንዂራኡ መገዲ ጸረገሉ፡ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን። ንብዘሎ በዂሪ ግብጺ ኸኣ፡ ነቶም በዂሪ ሓይሊ፡ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም። ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፡ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም። ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፡ ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም። ናብ ወሰን መቕደሱ፡ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም። ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፡ ርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፡ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደርም። ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፡ ምስክራቱውን ኣይሐለዉን። ንድሕሪት ተመልሱ፡ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፡ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ። ብዀረቢቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ። ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፡ ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም። ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ። ሓይሉ ንምርኮ፡ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ። ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይሪ ገበሮ፡ ንርስቱውን ተቘጥዖ። ነጒባዞም ሓዊ በልዖም፡ ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረከባን። ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፡ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን። ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፡ ዘለኣለማዊ ነውሪ ሀቦም። ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፡ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረያን፡ ንነገድ ይሁዳ፡ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንቤት መቕደሱ ኸም ኲርባታት፡ ከምታ ንዘለኣለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፡ ሀነጻ። ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፡ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ። ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፡ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ። ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፡ በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም። ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣትዮም፡ ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፡ ንየሩሳሌምውን ኲምራ እምኒ ገበርዋ። ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም። ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን። ንጐረባብትና ነውሮም ንጐረባብትና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዘውቲርካ እትዂሪ፡ ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ? ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ። *** ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና። ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና። ስለምንታይከ ኣህዛብ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዚብሉ? እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይፈለጥ። ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፡ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም። ንሕና ግና፡ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፡ ንዘለኣለም ክነመስግነካ፡ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና። ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤት እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ። ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ ኣተንስእ፡ ንምድሓንናውን ንዓ። ዎ ኣምላኽ፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዂሪ? እንጌራ ንብዓት ኣብላዕካዮም፡ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም። ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፡ ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ። ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና። ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት። ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፡ ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ። ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ውልዶታት ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሔት። ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ኪቕንጥብዋስ፡ ስለምንታይከ ሓጹር ዘፍረስካ? ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፡ እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ ኣለዉ። ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ተመለስ፡ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤ፡ እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፡ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፡ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም። *** ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት። ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ ኣለዉ። ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን። ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፡ ህይወት ሀበና፡ ብስምካውን ክንምህለል ኢና። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና። ንኣምላኽ፡ ነቲ ሓይልና፡ እልል በሉሉ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ። መዝሙር ኣልዕሉ፡ ከበሮም ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ። እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፡ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፡ ብሰርቂ ወርሒ፡ ብምልኣት ወርሒ፡ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ። *** ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣብ የሴፍ ምስክር ገይሩ ኣቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ ኣሎኹ፡ ንመንኲቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፡ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፉ። ብጸበባ ኣእዌኻ፡ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፡ ኣብ ነጒዲ ተሰዊሩ መለስኩልካ፡ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ። ሴላ። ዎ ህዝበይ፡ ክምስክረልካስ ስማዕ፡ ዎ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ። ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልካ ኣይኹን፡ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ። ኣነ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፡ ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነውን ክመልኦ እየ። ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፡ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱ፡ ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም። ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፡ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ። ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፡ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ። ንእግዚኣብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፡ ዘመኖም ከኣ ንዘለኣለም ምዀነ። ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፡ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ። ኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፡ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ ኣሎ። ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ? ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ? ሴላ። ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ ኣውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፡ ካብ ኣእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም። ኣይፈልጡን፡ ኣየስተውዕሉን፡ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፡ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ። ኣነስ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኲላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፡ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፡ በልኩ። *** ዎ ኣምላኽ፡ ንዂሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፡ ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።  ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል።  እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።  ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ንዑ፡ ነጽንቶም፡ ይብሉ ኣለዉ።  ሐቢሮም ተማኺሮም፡ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፡ ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን ኣጋራውያንን፡ ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡  ኣሶር ድማ ሐቢርዎም፡ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ሴላ።  ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።  ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡ ንምድሪ ኸኣ ድዂዒ ዀንዋ።  ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም። ***  ኣምላኸይ፡ ከም ህቦብላ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።  ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፡ ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡ ብዘራጊቶኻ ድማ ኣሸብሮም።  ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ኺደልዮስ፡ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ። ንዘለኣልም ይነውሩን ይሸበሩን፡ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።  ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ። ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፡ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ። ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዂቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፡ መሰውኢታትካ፡ ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን። ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብጿን እዮም፡ ኲሉ ጊዜ ይውድሱኻ።ሴላ። ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፡ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም። ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም ኣዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናይ ሓይሊ ይኸዱ፡ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። ሴላ። ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፡ ርኤ፡ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት። ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፡ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፡ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፡ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም። ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፡ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። ሴላ። ንዂሉ መዓትካ ኣርሐቕካዮ፡ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ። ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምለሰና፡ ንዂራኻውን ካባና ኣትርፎ። ንዘለኣለምዶ ኽትኲርየልና? ኲራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንሕ ኢኻ? ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ? ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሀበና። ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፡ ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ። ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኽብሪ ኺሐድርሲ፡ ምድሓኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ። ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ። እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፡ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ። ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ። ዎ እግዚኣቢሄር፡ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ እዝንኻ ኣድንን፡ ምለሰለይውን። ሄር እየ እሞ፡ ንነፍሰይ ሐልዋ፡ ኣታ ኣምላኸየ፡ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ። ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጒሳ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዂላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኲሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፡ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም። ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሀረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ። *** ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን። ጐይታየ፡ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፡ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፡ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፡ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ። መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን እያ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኲሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ።ሴላ። ካብተን ዚፈልጣኒ፡ ረሃብን ባቢሎንን ምስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፡ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም። ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሀል እዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ። እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፡ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፡ ኢሉ ኪቘጽር እዩ።ሴላ። እናደረፉን እናሳዕስዑን፡ ኲለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፡ ኪብሉ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ ኣሎኹ፡ ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን። ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፡ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ ኣላ። ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረ፡ ሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፡ ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፡ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፡ ኣብ ጒድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምዉታት ተደርቤኹ። ኣብ ዓሚቚ ጒድጓድ፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ መዓሙቚ ኣንበርካኒ። ቊጥዓኻ ይኸብደኒ ኣሎ፡ ብዂሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ።ሴላ። ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፡ ብኣታቶም ፍንፋን ገበርካኒ፡ ተዐጽየ፡ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ። ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ። ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ? ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም?ሴላ። ኣብ መቓብርካ ሳህልኻ፡ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ? ተኣምራትዶ ኣብ ጸልማት፡ ጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ? ጐይታየ፡ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ ኣሎ። ጐይታየ፡ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፡ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ ኣሎኻ? ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፡ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፡ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ። ሓቂ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፡ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ። ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፡ ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ ኣለዉ። ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፡ መሓዛይ ጸልማት እዩ። ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክዝምር፡ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ። ጸጋ ንዘለኣለም ኪህነጽ፡ እምነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፡ በልኩ እሞ፡ ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፡ ዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዕ፡ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።ሴላ። ጐይታየ፡ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፡ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም። ኣብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዩስ መን እዩ? ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ? ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂላቶም ዜሸብር ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ? ዎ ጐይታይ፡ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ። ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፡ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፡ ንስኻ ተህድኦ። ከም እተወግኤ ጌርካ፡ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ። ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪውን ናትካ እያ፡ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ። ንሰሜንን ደብቡን ንስኻ ፈጠርካየ፡ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ። ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፡ ኢድካ ብርትዕቲ፡ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ። መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፡ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ። እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፡ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ። ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ። ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቕዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፡ ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና ኣንቢረ፡ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ። ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፡ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፡ ኢደይ ኲሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፡ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ። ጸላኢ ኣይኪወድቆን፡ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ክቕጥቅጦም፡ ነቶም ዚጸልእዎምውን ክወቕዖም እየ። እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፡ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ። ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፡ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ። ንሲ፡ ኣቦይ ፡ ኣምላኸይ ፡ ክውሒ ምድሓነይ ስትኻ ኢኻ ፡ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ። ኣነውን በኹሪ ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘልኣለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ። ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ። ድቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ ፡ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ ፡ ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ ፡ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ ፡ ሽዑ ንኣበሳኦም ብሾቦጥ ፡ ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ። ጸጋይ ግና ኣየግድፎን ፡ እምነተይውን ኣይጠልምን። ኪዳነይ ኣየፍርስን ፡ ከናፍረይ እተዘረቦ ድማ ኣይልውጥን። ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፡ ንዳዊት ኣይሕሱን ፡ ዘርኡ ንዘልኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ። ከም ወርሒ ንዘለኣለም ይቐውም፡ ኣብ ደበና ዘሎ ከኣ እሙን እዩ። ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን ፡ ንቕቡእካ ተቖጣዕካዮ። ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ ፡ ንዘዉዱ ኣብ ምድሪ ኣርከስካዮ። ብዘሎ ምካበብያኡ ኣፍሪስካ፡ ዕርድታቱ ስዕኖኻ። ኩሎም ሓለፍቲ መገዲ ብዝቢዞምዎ፡ ንጎረባብቱ መላገጺኦም ኮይኑ። ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ ፡ ንኹሎም ጸላእቱ ኣሐጎስካዮም። እወ፡ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፡ ኣብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን። ንነጸብራቑ ኣጥፈእካዮ፡ ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ። መዓልታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ ፡ ብነውሪ ኣጎልቢብካዮ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ፈጺምካ እትኽወል ፡ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ። ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምኳና፡ ኩሎም ደቂ ስብ ንኸንቱነት ክም ዝፈጠርካዮም ዘክር። ሞት ከይረኣየ ብህይወት ዚነብር፡ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፡ ጎይታየ፡ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሓልካሉ፡ ናይ ቐደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፡ ግይታየ፡ ንጸርፊ ባሮትካ፡ ነቲ ካብ ኩሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘለኹ ዝክር። ጎይታየ፡ ጸላእትኻ ዝጸርፍዎ ጸርፊ፡ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር። እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን፡ ኣሜን። ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና። ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፡ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ። ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ፡ እናበልካ፡ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ። ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፡ ከም ከውሒዝ ትገፎም፡ ከም ትኽስታ እዮም፡ ከምቲ ብጊሓት ዚልማልም ሳዕረ፡ ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፡ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ። ብዂራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፡ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና። ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፡ ንሕብእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ ኣሎኻ። ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍ፡ ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን ኣሎና እሞ፡ መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፡ ቀልጢፉ ይሐልፍ፡ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ። ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፡ ንሓይሊ ኲራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ? ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና። ጐይታይ፡ ተመለስ፡ ክሳዕ መኣዝ? ንባሮትካ ምሐሮም። ኲለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፡ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና። ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፡ ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሐጒሰና። ግብርታትካ ንባሮትካ፡ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ። ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፡ እወ፡ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ። ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፡ ንእግዚኣብሄር፡ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፡ እብል ኣሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፡ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፡ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፡ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፡ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፡ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፡ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፡ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፡ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። ኣብ ኲሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፡ ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ። ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ። *** *** ዎ እግዚኣብሄር፡ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፡ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ። ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፡ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ። ዳንደ ኣይፈልጦን፡ ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ። ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዮም። ጐይታየ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ። ጐይታየ፡ እንሆ ጸላእትኻ፡ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም። ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮ፡ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ። ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፡ ኣእዛነትይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ። ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፡ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፡ ይረውዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፡ ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን። *** እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ግርማ ለቢሱ፡ ዓለም ከይትናወጽሲ፡ ኣጽኒዕዋ ኣሎ። ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፡ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ። ጐይታየ፡ ወሓይዝ ኣልዐሉ፡ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፡ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ። ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፡ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን። ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፡ ጐይታየ፡ ንቤትካስ ንዘለኣለም ቅድስና ይግባእ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፡ ኣታ ፈራድ ምድሪ፡ ተንስእ፡ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም። ክሳዕ መኣዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም? ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፡ ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ። ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ? እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ? ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ? ነህዛብ ዚቐጽዕ፡ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ? እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ጒድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኲዐት፡ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፡ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ። *** እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፡ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ። ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ኲሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም። ኣብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስኣለይ? ኣብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ? እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፡ ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ። ጐይታየ፡ እግረይ ኣንደልሀጸ ምስ በልኩ፡ ጸጋኻ ደገፈኒ። ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ። ከም ሕጊ ኢና። እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ? ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፡ ንንጹህ ደም ድማ ይዂንንዎ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፡ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ። ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስ፡ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።  ንዑ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓጎስ ንዘምር፡  ብምስጋና ኣብ ቅድማኡ ንብጻሕ፡ ብመዝሙር እልል ንበለሉ።  እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፡  መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፡ ምብራኽ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።  ባሕሪ ናቱ እዩ፡ ንሱ ፈጠሮ፡ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳው ገበራኦ።  ንዑ፡ ፍግም ኢልና ንስገድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ፈጣሪና፡ ንንበከኽ።  ንሱ ኣምላኽና እዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡  ከም ኣብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ።  በቲ ወለዶ እቲ ኣርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡ በገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፡ በልኩ።  ስለዚ፡ ኣብ ዕረፈተይ ኣይኪአትዉን እዮም፡ ኢለ ብዂራይ መሐልኩ።  ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፡  ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንስሙ ባርኹ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።  ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኲሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ።  እግዚኣብሄር ዓብዪ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።  ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።  ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓይልን ጽባቕን ኣብ መቕደሱ እዩ፡  ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።  ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀብ፡ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣጸዱ እተዉ።  ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፡ ኲልኺ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጢ።  ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፡ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፡ ኢልኩም ንገሩ።  ሰማያት ይተሐጎሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡ ባሕርን ምልኣቱን ይናወጽ።  ይመጽእ፡ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፡ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፡ መሮርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ባህ ይበሎም፡ ሽዑ ዂላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም። *** እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ምድሪ ትተሐጐስ፡ ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፡ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ። ሓዊ ቐቅድሚእሪ ይኸይድ፡ ንጸላእቱ ኣብ ዙርያኡ የንድዶም። መባርቑ ንዓለም ኣብርሄ፡ ምድሪ ርእያቶ ኣንቀጥቀጠት። ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዂሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ። ሰማያት ንጽድቁ ኣውረዩ፡ ኲሎም ኣህዛብ ድማ ክብሩ ረኣዩ። ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኲሎም ይሕፈሩ። ኲሉኹም ኣማልኽቲ፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በሉጅ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፡ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ። *** ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ፡ ነፍሲ ቕዱሳን ይሕሉ፡ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም። ብርሃን ንጻድቃን፡ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ። ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፡ ንቕዱስ ስሙውን ኣመስግንዎ።  እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፡ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።  እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡ ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።  ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡ ኲሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረኣየ።  ኣቲ ምድሪ ዂልኺ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን ኣመስግኑን።  ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፡ እወ፡ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።  ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።  ባሕርን ምልኣቱን፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ።  ንምድሪ ኺፈርዱ ይመጽእ፡ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፡ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ። *** እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ኣህዛብ ይርዐዱ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፡ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ። ቅዱስ እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ፡ ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፡ ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ። ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ። ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፡ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ ንሱውን መለሰሎም። ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፡ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፡ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፡ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ። ኲሉኺ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡ ንሱ ገበረና፡ ባዕላትና ኣይኰንናን፡ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዑ መጓሴኡ ኢና። ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡ ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፡ ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ። ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፡ መኣዝ ክትመጸኒ ኢኻ? ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፡ ኣይኪጠብቀንን እዩ። ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሐቕ፡ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን። ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፡ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኲሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ፡ ምሳይ ኪነብሩስ፡ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፡ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ። ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ። ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፡ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ። ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ። ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፡ እዝንኻ ኣድንነለይ፡ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ። መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ከም እይድ ይነድድ ኣሎ። ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፡ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን። ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ ኣዕጽምተይ ኣብ ስጋይ ተጣበቐ። ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፡ ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ። ተጋሀኩ፡ ከምቲ እቲ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ። ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፡ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ። ንሓመዂስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ ኣሎኹ እሞ፡ ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ ኣሎኹ። ብምኽንያት ኲራኻን ቊጥዓኻን ኣልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፡ መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት እየን፡ ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፡ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ። ጊዜ ምሕረታ እዩ፡ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፡ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፡ ብሓመዳ ኸኣ ጒህዮም እዮም እሞ፡ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ። *** ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም። እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻ፡ ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ። ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፡ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ እሞ፡ እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፡ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ። ኲሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩስሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፡ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ። *** *** *** ንሓይለይ ኣብ መገዲ ኣድከሞ፡ ንመዓልትታተይ ኣሕጸረን። ኣምላኸየ፡ ኣብ ፍርቂ መዓልትታተይ ኣይትውሰደኒ፡ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፡ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፡ ኪልወጡውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን። ውሉድ ባሮትካ ኺነብሩ፡ ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ። ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዂሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኲሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፡ ንሱ ንዂሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፡ ንዂሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፡ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፡ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፡ ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርስ ንዂሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ፡ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፡ ንዂራ ደንጓዩ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኲሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፡ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ፡ ከቶ ኣይትርከብን እያ፡ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፡ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ ኣላ። ኣቱም መላእኽቱ፡ ንድምጺ ቓሉ እትእዝዙ፡ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዂሉኹም፡ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኲሉ ግብርታቱ ኣብ ኲሉ ስፍራ ግዝኣቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ። ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ግርማን ክብርን ለበስካ። ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፡ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፡ ንርሻንካ ኣብ ማያት ሀነጽካዮ፡ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ። ንንፋሳት ልኡኻትካ፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም። ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ። ከም ብልብሲ ብመዓመቚ ኣልበስካያ፡ ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ። ብመግናሕትኻ ሀደሙ፡ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ። ኣብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፡ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ። ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፡ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም። ኣብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፡ ኣብ መንጎ ኣኽራን ይውሕዛ። ንዂሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፡ ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፡ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ። ነኽራን ካብ ርወናትካ ተስትዮ፡ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ። ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሕጒሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ። *** ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ። ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፡ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን። ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፡ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ። ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፡ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ። ጸልማት ትገብር፡ ለይትውን ይኸውን፡ ብእኡ ዂሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ። ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፡ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ። ጸሓይ ትበርቕ፡ ይምለሱ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ። ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንዂሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ ኣላ። እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፡ ቊጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ ኣብኣ ይዋሳወሱ ኣለዉ። ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት። እዚኣቶም ኲሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ትህቦም፡ ይኣክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ። ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ። ኣብ ምድሪ ይጥምት፡ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፡ ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ። ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን። ቃላተይ ባህ የብሎ፡ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ። ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፡ ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፡ ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ። ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ዘምሩሉ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ። ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ፡ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ። እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ፡ ኣዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ። *** ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም፡ እቲ ባርያኡ፡ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፡ ሕሩያቱ፡ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ። ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ፍርዱ ኣብ ኲሉ ምድሪ እዩ። *** ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፡ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፡ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል ንዘለኣለም ዘኪሩስ፡ ምድሪ ከነኣን፡ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፡ ክህበካ እየ፡ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፡ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ። *** ብቚጽሪ ሒደት፡ ኣዝዮም ሒደት፡ ኣብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፡ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፡ ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፡ ንቕቡኣተይ ኣይተንክይዎም፡ ንነብያተይ ድማ ክሩእ ኣይትግበርዎም፡ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም። *** ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፡ ኲሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ። ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለኣኸ፡ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ። ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፡ ነፍሱ ኣብ ሓጺን ኣተወት። ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፡ ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፡ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ ኣውጽኦ። ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺኣስሮም፡ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፡ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኲሉ ጥሪቱን ገበሮ። *** እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፡ ያእቆብውን ኣብ ሃገር ካም ሰፈረ። ንህዝቡ ኸኣ ኣዝዩ ኣብዝሖ፡ ካብ ተጻረርቱውን ኣበርትዖ። ንህዝቡ ኺጸልእዎ፡ ንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲ፡ ልቦም ለወጦ። ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለኣኸ። ኣብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፡ ኣብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ። ጸልማት ለኣኸ፡ ኣጸልመተ ኸኣ፡ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን። ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፡ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ። ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚኣትዋ፡ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት። ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፡ ኣብ ኲሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ። ኣብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ ኣብ ሃገሮም ኣውረደ። ወይኖምን በለሶምን ወቕዔ፡ ኣእዋሞ ዓዶም ድማ ሰባበረ። ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ። ንዂሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፡ ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ። ንዂሉ በዂሪ ሃገሮም፡ ንበዂሪ ሓይሎም፡ ቀተለ። ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፡ ኣብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን። ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፡ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት። ደበና ንመኸወልታ፡ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህ፡ ዘርግሔ። ለመኑ እሞ ብርኒጎታት ኣምጽኤ። ብእንጌራ ሰማይውን ኣጽገቦም። ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፡ ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ። ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ንህዝቡ ብሓጐስ፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም። *** ትእዛዛቱ ኺገብሩ፡ ሕጉውን ኪሕልዉስ፡ ሃገር ኣህዛብ ሀቦም፡ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ። *** ሃሌሉያ። ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፡ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል? ፍርዲ ዚሕልዉ፡ ኲሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም። ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ክኽብርሲ፡ ብምድሓንካ ብጽሓኒ። *** ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፡ በደልና። ግፍዒ ገበርና። ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስተውዐልዎን፡ ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፡ ኣብ ባህሪ፡ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዐለዉ። ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፡ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም። ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፡ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም። ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፡ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም። ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፡ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ሽዑ ንቓላቱ ኣመኑ፡ ምስጋኑኡ ዘመሩ። ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፡ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን። ኣብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ። ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፡ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለኣኸሎም። ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፡ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፡ ቀንኡሎም። ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶ፡ ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ። ሓዊ ኣብ ማእከል ወገኖም ነደድ፡ ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም። ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፡ ንዘፈስስ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ። ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ። *** ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡ መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ። ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፡ ግናኸ ሙሴ፡ እቲ ሕሩዩ፡ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቈመ። ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑ፡ ብቓሉውን ኣይኣመኑን። ኣብ ድንኳናቶም ኣጒረምረሙ፡ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን። ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡ ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ። *** ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩ፡ መስዋእቲ ምዉታት ከኣ በልዑ። ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡ መዓትውን ወረዶም። ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ ኣውጽኤ፡ እቲ መዓት ድማ ዛረየ። እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፡ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ። ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ። ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። *** ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፡ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። ንጹህ ደም፡ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኣፍሰሱ፡ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፡ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት። በዚ ኸምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፡ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ። ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም። ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ። ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፡ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፡ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ። ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ጸበባኦም ረኣየ። ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፡ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም። ኣብ ቅድሚ ዂሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንቕዱስ ስምካ ኽንውድሶ፡ ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፡ ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ሓምሳይ መጽሓፍ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡ ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም፡ ከምዚ ይበሉ። *** ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉ፡ ዚነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን። ጠምዮም፡ ጸሚኦም፡ ነፍሶም ሰልከየት። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኺበጽሑስ፡ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም። ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ፡ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። *** ብመከራን ሓጺንን ተኣሲሮም፡ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ። ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡ ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎ፡ ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ። መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። *** ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፡ ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ፡ ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡ ካብ ጒድጓዶም ከኣ ኣናገፎም። ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡ ንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ። ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፡ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ፡ ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረኣዩ። ኣዘዘ እሞ፡ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ። ናብ ሰማይ ደየቡ፡ ናብ መዓሙቚ ወረዱ፡ ነፍሶም ብመከራ መኸኸት። ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፡ ኲሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም። ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፡ ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ። ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፡ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም። ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ፡ ኣብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፡ ኣብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ። ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፡ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቑጽ ምድሪ፡ ንፍርያም ምድሪ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፡ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ። *** ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያት፡ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ። ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፡ ንሳቶም ከኣ ዚነብሩላ ዓዲ ሰረቱ። ግርሁ ዘርኡ፡ ወይንታት ተኸሉ፡ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም። ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ። ንኸብቶም ድማ ኣየውሐደሎምን። ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፡ ብመከራ፡ ብጓሂ ወሐዱን ተዋረዱን። ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዐወ፡ መገዲ ኣብ ዜብሉ በረኻ ኣዀብለሎም። ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል ኣበሎ፡ ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም። ቅኑዓት ርእዮምዎ ኺሕጐሱ፡ ኣበሳ ዘበለውን ኣፉ ኺዐጹ እዩ። ለባም ዘበለ ነዚ ኼስተብህሎ እዩ፡ ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ኬስተውዕሎ እዩ። ዎ ኣምላኽ፡ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን ኣለዋ፡ ክዝምርን ከመስግንን እየ። በገናን መሰንቆን ንቕሑ፡ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ። ጐይታየ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ። ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪ፡ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ይኹን። ፍትዋትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ ብየማነይትኻ ድሕነናን ስምዓናን። ኣምላኽ ኣብ መቕደስ ተዛረበ፡ እልል ክብል እየ፡ ንሰኬም ክመቅል፡ ንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ። ጊልኣድ ናተይ እዩ፡ ምናሴውን ናተይ እዩ፡ ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፡ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ። ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ። ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፡ ኣብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ። ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ? ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና? ንስኻ ኣምላኽ፡ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ? ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና። ብኣምላኽ ንሕይል፡ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ። ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል። *** *** ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፡ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ። ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ፡ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቚመሉ፡ ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም። ምስ ተፈርደ፡ ተረቲዑ ይውጻእ፡ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፡ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ። ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፡ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፡ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፡ እንጌራ ይድለዩ። ንዘለዎ ዂሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፡ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ። ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፡ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። ሐድጉ ይጽነቱ፡ ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ። በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፡ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ። ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፡ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ። ንመስኪንን ንድኻን፡ ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፡ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፡ ንመርገም ፈተዋ፡ ንሳ ኸኣ መጸቶ፡ ንበረኽት ኣይበሀጋን፡ ንሳውን ረሐቐቶ። ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፡ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፡ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፡ ከምቲ ዂሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፡ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ። ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ ኣሎ። ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፡ ከም ኣንበጣውን እሰጐጒ ኣሎኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሒ ዐበረ። መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፡ እተን ረኣዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ እዚ ኢድካ ምዃኑ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ። *** ንሳቶም ይረግሙ፡ ንስኻ ግና መርቕ፡ እንተ ተንስኡ፡ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፡ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። ካብቶም ንነፍሱ ዚዂንንዋ ኼድሕኖስ፡ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ። ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፡ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ። በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይከ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ። እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ። እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ብሬሳታት ኪመልኦ፡ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ። ኣብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፡ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ። ሃሌሉያ። ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዂሎም ይምርምርዎ እዮም። ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፡ ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር። ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር። ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርኣዮ። ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፡ ትእዛዙ ዂሉ ጽኑዕ እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ጽኑዕ፡ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ። ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ኣዘዘ፡ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ። ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ ዂሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር።  ሃሌሉያ። ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።  ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፡ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።  ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡ ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።  ንቕኑዓት፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፡ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።  ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።  ንዘለኣለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፡ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።  ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፡ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።  ልቡ ጽኑዕ እዩ፡ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።  ዘረወ፡ ንድኻታት ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።  ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፡ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፡ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ። ሃሌሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ። ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ይባረኽ። ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሊ ዚጥምት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ? *** ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፡ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡ ንድኻውን ካብ ድዂዒ የልዕሎ። *** ንመኻን፡ ኣደ ቘልዑ ገይሩ፡ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ።  እስራኤል ካብ ግብጺ፡  ይሁዳ መቕደሱ፡ እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።  ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።  ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።  ኣቲ ባሕሪ፡ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፡ ኣቲ ዮርዳኖስከ፡ ንድሕሪት እተመለስኪ?  ኣቱም ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡ ኣቱም ኰረቢትሲ፡ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?  ኣቲ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፡ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ።  ንኣና ኣይኰነን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣና ኣይኰነን፡  ስለምንታይ ኣህዛብ፡ ኣበይ ደኣ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዚብሉና?  ኣምላኽና ኣብ ሰማያት ኣሎ፡ ዝደለዮ ዂሉ ይገብር እዩ።  ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ።  ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡  እዝኒ ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን፡ ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ኣየጨንዉን፡  ኢድ ኣለዎም፡ ኣይድህስሱን፡ እግሪ ኣለዎም፡ ኣይከዱን፡ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን።  እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፡ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።  ኣታ እስራኤል፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።  ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።  ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።  እግዚኣብሄር ዘከረና፡ ንሱ ኺባርኽ፡ ንቤት እስራኤል ኪባርኽ፡ ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ።  ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ፡ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ኪባርኾም እዩ።  ንኣኹም ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም።  በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።  ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።  ምዉታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዂሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።  ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና። ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡ እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፡ ኲለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ። መኣሰር ሞት ከበበኒ፡ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፡ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ። ሽዑ ኣነ፡ ዎ ጐይታይ፡ ንነፍሰይ ኣድሕና፡ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፡ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እይ። እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፡ ኣነ ተሸገርኩ፡ ንሱውን ኣድሐነኒ። ነፍሰየ፡ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፡ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ። ንነፍሰይ ካብ ሞት፡ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፡ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ። ኣመንኩ፡ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ። ኣነ ብስምባደይ፡ ኲሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፡ በልኩ። ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረልይ ኲሉስ፡ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ? ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ባርያኻ እየ፡ ባርያኻ፡ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፡ መኣሰረይ ፈታሕካ። መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ዎ የሩሳሌም፡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።  ኲሉኹም ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡  ጸጋኡ ኣባና ዓብዪ እዩ እሞ፡ ሓቂ እግዚኣብሄር ድማ ንዘለኣለም ይነብር እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እስራኤል ይበል። ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ ቤት ኣሮን ይበል። ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ። ኣብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ኣይፈርህን፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፡ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ኲሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከበቡኒ፡ እወ ኸበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከም ንህቢ ኸበቡኒ፡ ከም ሓቂ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከተውድቐኒ ኢልካ ደፋእካኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ። ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፡ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር። የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፡ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ይገብር ኣላ። ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን፡ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፡ ንሞት ግና ኣይወፈየንን። ብእኤን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፡ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡ ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም። ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ከመስግነካ እየ። ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ነዒንትናውን ግሩም እዩ። እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሀልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ኤመስግነካ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፡ ምስክራቱ ዚሕልዉ፡ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩን፡ ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ። ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ። ኣየ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡ መገደይ እንተ ዚቐንዕ። ንዂሉ ትእዛዛትካ እንት ዝቋመት፡ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን። ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፡ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፡ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ። ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ? ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንዂሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ። ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዂሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ። ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፡ ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ። ብስርዓታትካ ባህ እብል፡ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ። ብህይወት ክነብር፡ ቃልካውን ክሕሉስ፡ ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፡ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ። ነፍሰይ፡ ኲሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት። ነቶም ትዕቢተኛታት፡ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ። ምስክራት ሐልየ እየ እሞ፡ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ። መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ፡ ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን ኣሎ። ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም። ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። መገደይ ኣዘንቶኹ፡ ንስኻውን መለስካለይ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፡ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ። ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ፡ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ። መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፡ ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ። መገዲ ሓቂ መረጽኩ፡ ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ። ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣይተሕፍረኒ። ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፡ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ። ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፡ ንሕግኻ ኽሕልዎ፡ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ። ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ። ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፡ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ። ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያካ ኣጽንዓዮ። ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ። እንሆ፡ ትእዛዛትካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ። ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ። ንፍርድታትካ እጽበ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ። ኣነውን ንሕግኻ ኣዘውቲረ፡ ኲሉ ጊዜ፡ ንዘለኣለም ክሕልዎ እየ። ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፡ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፡ ኣይክሐፍርን ድማ እየ። በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር። ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፡ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን። ጐይታየ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ፡ እጸናናዕ ኣሎኹ። ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ። ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፡ ሕግኻውን ሐሎኹ። ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ እዚ ዕድለይ ኰነ። ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፡ በልኩ። ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ከም ቃልካ ምሐረኒ። ንመገደይ ሐሰብኩ፡ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ። ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን። ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፡ ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፡ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ። ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዂሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ። ጐይታየ፡ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ ኣላ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ። ትእዛዛትካ ኣሚነ ኣሎኹ እሞ፡ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ። ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፡ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፡ ስርዓትካ ምሀረኒ። ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣሎኹ። ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፡ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል ኣሎኹ። ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀር፡ ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ። ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፡ ትእዛዛትካ ኽምሀርሲ፡ ኣለብመኒ። ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፡ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ ኣዮም፡ ጐይታየ፡ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፡ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፡ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ። ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፡ ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረትካ ይውረደኒ። ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፡ ይሕፈሩ፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን ኣሎኹ። እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ። ምእንቲ ኸይሐፍርሲ፡ ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን። ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ ኣላ፡ ንቓልካ እጽበዮ ኣሎኹ። መኣዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ? እናበልኩ፡ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ። ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፡ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን። መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን? ንሰጐጒተይከ መኣዝ ኢኻ እትፈርዶም? እቶም ከም ሕግኻ ዘይነበሩ ትዕቢተኛታት ጒድጓድ ኰዐቱለይ። ኲሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ ኣለዉ፡ ርድኣኒ። ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን። ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፡ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃልካ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፡ ንሳውን ትነብር ኣላ። ብዘሎ ዂሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ ኣሎ። ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፡ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፡ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ። ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡ ናትካ እየ፡ ኣድሕነኒ። ረሲኣን፡ ምእንቲ ኼጥፍኡኒ፡ ይጸናተዉኒ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ ኣሎኹ። ኲሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፡ ትእዛዝካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ ኣሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ዂሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ። ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ። ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፡ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፡ ስለዚ ዂሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ። ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ። ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ፡ ኣጽናዕክዎ ኸኣ። ኣዝየ ተጨነቕኩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርድታትካ ምሀረኒ፡ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ። ነፍሰይ ኲሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፡ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ። ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻወዱለይ፡ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን። ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ። ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፡ ልበይ ኣድነንኩ። ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡ ሕግኻ ግና ፈቶኹ። ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፡ ብቓልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ ኣቱም ሕሱማት፡ ካባይ ርሐቑ። ብህይወት ክነብርሲ፡ ከም ቃልካ ደግፈኒ፡ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ። ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፡ ንስርዓታትካውን ኲሉ ጊዜ ኽቋመቶ እየ። ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፡ ነቶም ካብ ስርዓታተካ ዜግልሱ ዂሎም ትረግጾም። ንስኻ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጒሕፎም፡ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ። ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፡ ፍርድኻውን የሸብረኒ ኣሎ። ፍርድን ጽድቅን እገብር ኣሎኹ፡ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ። ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶ፡ ዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም። ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ። ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ኣነ ባርያኻ እየ፡ ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሀበኒ። ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዮ። ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ ኣሎኹ። ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዂሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፡ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ ኣሎኹ። ምስክራትካ መስተንክር እዩ፡ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ። ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ። ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል ኣሎኹ። ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፡ ተመለሰንን ምሐረንን። ንስጒምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፡ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፡ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። ገጽካ ንባርያካ ኣብርሃሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ። ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ። ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ። ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፡ ባርያኻውን የፍቅሮ ኣሎ። ኣነ፡ ንኡስን ንዑቕን እየ፡ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን። ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ሕግኻውን ሓቂ እዩ። መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፡ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። ምስክራትካ ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፡ ብህይወት ክነብር እየ። ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣሎኹ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምለሰለይ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ናባኻ ተማህለልኩ፡ ኣድሕነኒ፡ ምስክራትካውን ክሕሉ እየ። ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹ፡ ንቓልካ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኼስተንትንሲ፡ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም። ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ ኣለዉ፡ ካብ ሕግኻ ረሐቑ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ቀረባ ኢኻ፡ ኲሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ። ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ። ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ሰጐጒተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፡ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን። ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፡ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፡ ኲሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለኣለም ይነብር። መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፡ ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ። ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፡ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ። ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፡ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ። ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እቶም ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፡ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ተጸቤኽዎ፡ ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ። ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶ፡ ኣዝየውን ኤፍቅሮ ኣሎኹ። ኲሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፡ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ። ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ። ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን። ኲሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፡ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ። ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፡ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን። ጐይታየ፡ ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ሕግኻውን ደስታይ እዩ። ንነፍሰይ ህያው ግበራ፡ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፡ ፍርድታትካውን ይርዳኣኒ።  ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ ንባርያኻ ድለዩ። ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱውን መለሰለይ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ። ኣቲ ወስላታ መልሓስ፡ እንታይ ኪህቡኺ? እንታይሲ ኺውስኹኪ እዮም? ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፡ ምስ ጓህሪ ሰራው። ወይለይ፡ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፡ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ። ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ ብዙሕ ጊዜ ነበረት። ኣነስ ሰላማዊ እየ፡ ንሳቶም ግና፡ እንተ ተዛረብኩ፡ ንውግእ ይስለፋ ኣለዉ።  ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ?  ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።  ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን።  እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።  እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።  ጸሓይ ብመዓልቲ፡ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።  እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፡ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ።  እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፡ ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ። ዎ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ። እቶም ዓሌታት፡ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፡ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ። ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፡ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ። ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፡ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም። ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን። ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡ ሰላም ይኹነልኪ፡ እብል። ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፡ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ። ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፡ ኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ። እንሆ፡ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም፡ ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዚጥምታ፡ ከምኡውን ኣዒንትና፡ ንሱ ኽሳዕ ዚርሕርሓልና፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ። ምሐረና፡ ንዕቀት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረና። ነፍስና ብላግጺ ሕንቁቓትን ብንዕቀት ዕቡያትን ኣዝያ ጸገበት። እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡ ይበል እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፡ ሰብ ኪንትንስኡና ኸለዉ፡ ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፡ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፡ ሽዑ ማያት መጥሐለና፡ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምውሓዘ፡ ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ። እቲ ንምንጫት ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ። ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፡ መፈንጠራ ተበትከ፡ ንሕናውን ኣምለጥና። ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ። እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፡ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም። ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ። ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፡ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጽድቃን ኣይነብርን እዩ። ጐይታየ፡ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም። ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን። እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡ ከም ሓለምቲ ነበርና። ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፡ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፡ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፡ ተባሃሀሉ። እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕናውን ተሐጐስና። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም። ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።  እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፡ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።  ኣንጊሀኩም ምትንሳእኩም፡ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፡ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።  እንሆ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።  ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፡ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።  ጒልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፡ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፡ ኣይሐፍሩን እዮም። ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዑ ኢኻ እሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸኻ፡ ኲለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን። ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ይበል እስራኤል፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ግናኸ ኣይሰዐሩንን። ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሐረሱ፡ ትልምታቶም ኣንውሑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ ኣግማድ ረሲኣን በተኸ። ንጽዮን ዚጸልኡ ዂላቶም ይሕፈሩ፡ ንድሕሪትውን ይመለሱ። ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፡ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፡ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፡ ከይዐበየ ዚሀጒጒ ይኹን። ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፡ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና፡ ኣይብሉን።  ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ፡  ጐይታየ፡ ድምጸይ ስማዕ፡ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።  ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ?  ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ።  ንእግዚኣብሄር እጽበ፡ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፡ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።  ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ እወ፡ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ።  ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።  ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኲሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።  ዎ እግዚኣብሄር፡ ልበይ ኣይተዐበየን፡ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፡ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።  ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፡ ስቕ ኣበልክዋ፡ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ፡ ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።  ኣታ እስራኤል፡ ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ኲሉ መከራኡ ዘክረሉ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፡ ቦታ እግዚኣብሄር፡ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፡ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፡ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡ ነዒንተይ ድቃስ፡ ንዀበሮ ዓይነይውን ሰለምታ ኣይህብን፡ ኢሉ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፡ ዘክረሉ። *** *** *** እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ። ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፡ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ። ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ። እግዚኣብሄር ንዳዊት፡ ካብ ፍረ ኽርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፡ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፡ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፡ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። *** እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ። ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታት እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፡ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጎስ እልል ኪብሉ እዮም። ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቊል እየ፡ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዱ ኼንጸባርቕ እዩ። እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፡ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፡ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ በረኸትን ህይወትን ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩ እሞ፡ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ። እንሆ፡ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቘሙ ኲሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣእዳውኩም ናብ መቕደስ ኣልዕሉ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ። ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባርኽካ። ሃሌሉያ። ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ኣመስግንዎ። ሃሌሉያ። ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። ግሩም እዩ እሞ፡ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፡ ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ኪኸውን ሐረዮ። እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፡ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ። ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስ ካብ መዝገብ የውጽኦ። ንበርዂሪ ግብጺ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ወቕዔ። ዎ ምስሪ፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኲሎም ባሮቱን ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ። ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዔ፡ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ንዂሎም መንግስትታት ከነኣንን ቀተለ። *** ምድሮምውን ንርስቲ ሀበ፡ ንህዝቡ እስራኤል ኣውረሶም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ንዘለኣለም፡ ኣታ ጐይታይ፡ ዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፡ ንባሮቱ ይርሕርሓሎም። ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡ ኣእዛን ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን። እቶም ዚገብርዎም፡ ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡ ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡ ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንግብጺ ብበዂሮም ዝወቕዔ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፡ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንሲሆን፡ ንጉስ ኣሞራውያን፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ እቲ ንዂሉ ስጋ ዚምግብ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ። ኣብ ጥቓ ርባታት ተቐመጥና፡ መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና። እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፡ እቶም ሰቀይትናውን፡ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፡ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና። ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር? የሩሳሌመየ፡ እንተ ረሲዔክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ። እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዂሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም፡ ኣፍርሱ፡ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፡ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም። ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፡ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ። ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ። ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር። ንቓልካ ሓለፋ ዂሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ። በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፡ ኣትባዕካኒ፡ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ። ጐይታየ፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ፡ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፡ ኬመስግኑኻ እዮም። ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም። እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፡ ንትሑት ይርእዮ፡ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ። ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፡ ኢድካ ኣብ ኲራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፡ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ። እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፡ ጐይታየ፡ ጸጋኻ ንዘለኣለም ይነብር፡ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ። ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፡ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። *** ብድሕሪት ብቕድሚትን ከበብካኒ፡ ኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡ ልዑል እዩ፡ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ? ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡ እንተ በልኩ፡ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማት ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፡ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፡ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እየ፡ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፡ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረኣያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኲለን ኣብ መጽሓፍትካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበጽሕ፡ እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ፡ ንረሲእ ኰታ እንተ ትቐትሎ፡ ኣቱም ደመኛታት፡ ካባይ ርሐቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፡ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም? ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም? ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፡ ጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ ኣልዩኒ፡ ርኤ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብቲ እኩይ ሰብ፡ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፡ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑ፡ ኲሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ። *** መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።ሴላ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፡ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፡ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኲሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ። ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፡ መድፈና ኣጻወዱለይ።ሴላ። ንእግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ በልክዎ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታይ፡ ሓይሊ ምድሓነይ፡ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከይዕበዩስ፡ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፡ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ።ሴላ። እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ። ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፡ ናብ ሓዊ፡ ናብቲ ዘይወጽሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዩ። ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምን፡ ንገፋዒ፡ ክሳዕ ዚወድቕ፡ እከይ ኪሀድኖ እዩ። እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፡ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፡ እፈልጥ እየ። ብርግጽ፡ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉ፡ ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም። ጐይታየ፡ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ቀልጢፍካ ምጸኒ፡ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይ ጽን በሎ። ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፡ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን። ጐይታየ፡ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፡ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ። ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፡ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፡ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ። ጻድቕ ይውቅዓኒ፡ ለውሃት እዩ፡ ይዝለፈኒ፡ ዘይቲ ርእሲ እዩ፡ ርእሰይ ኣይእበዮ፡ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ። ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፡ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም። ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፡ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታየ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፡ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ። ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ። ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፡ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ። ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ፡ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ። ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፡ ዚፈልጠኒ የልቦን፡ መዕቈቢ ሰኣንኩ፡ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻ መዕቈብየይ፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፡ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ። ንስምካ ኸማሱስ፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፡ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፡ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም። ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንምህለላይ ጽን በሎ፡ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፡ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፡ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፡ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኲሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ ኣሎኹ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡ ነፍሰይ ከም ደርቕ ምድሪ ትጸምኣኻ ኣላ።ሴላ። ዎ እግዚኣብሄር፡ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፡ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፡ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ዕቚባኻ እየ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፡ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፡ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፡ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽቡቡላ ዂሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም። እግዚኣብሄር እምባይ፡ ነእዳወይ ውግእ፡ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፡ ይባረኽ። ጸጋይ፡ ዕርደይ፡ እምባይ፡ መድሓንየይ፡ ዋልታይ፡ እቲ ዝውከሎ፡ ንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ? ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ? ሰብ ንትንፋስ ይመስል፡ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፡ ነኽራን ተንክዮ እሞ፡ ኪተክኽ። መባርቕ ኣባርቕ እሞ፡ በትኖም፡ ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም። ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ብዀነት ባልሃኒ። ዎ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፡ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ። ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፡ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ። ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፡ ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፡ ኣናግፈንን ባልሃንን። ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፡ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኲርናዕ ይኹና፡ መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፡ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፡ ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፡ ኣብ ኣደባባያትናስ ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን። ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ። ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክባርኽ እየ። ኲሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ። እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ። ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፡ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ። ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ። ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፡ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ። መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዮ፡ ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፡ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኲሉ ግብርታቱ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፡ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም። ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም። *** መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፡ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዂሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዂሎም የልዕሎም። ኣዒንቲ ዂሎም ንኣኽ ኣይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዂሉ ብበረኸት ተጽግቦ። እግዚኣብሄር ብዂሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡ ብዂሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ። እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዂሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዂሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፡ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዂሎም ይሕልዎም፡ ንዂሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም። ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ። ሃሌሉያ። ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ። ብመሳፍንቲ፡ በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ። ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፡ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ። ንሰማይን ምድርን፡ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ዝገበረ፡ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለኣለም ዚሕሉ፡ ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም። እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፡ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፡ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፡ እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፡ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይኣልዮም፡ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ። እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፡ ዎ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ። ሃሌሉያ። ጥዑም እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ። ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቚሳሎም ይዘንን። ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፡ ንዂላቶም በብስሞም ይሰምዮም። ጐይታና ዓብዪ እዩ፡ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፡ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን። እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎም፡ ንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም። ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉ፡ ንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ። ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡ ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ። ንሓይሊ ፈረስ ኣይብሀጎን፡ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፡ እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፡ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ። መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፡ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፡ ዎ ጽዮን፡ ንኣምላኸኪ ወድሲ። *** ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር፡ ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ። ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፡ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ። ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፡ ንኣስሓይታ ኸም ሓመዂስቲ ይብትኖ። ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፡ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም? ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ፡ ንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ። ቃሉ ንያእቆብ፡ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፡ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን። ሃሌሉያ። ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኲሉኹም መላእኽቱ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፡ ኣመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ኣመስግንኦ፡ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፡ ኣመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፡ ኣመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንዘለኣለም ኣለም ኣቘሞም፡ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ፡ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኲሉኹም፡ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኲሉኹም፡ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኲሉኹም፡ ኣራዊትን ኲላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፡ ነገስታት ምድርን ኲላትኩም ኣህዛብን፡ መሳፍንትን ኲላትኩም ፈረድቲ ምድርን፡ ኣጒባዝን ጐራዙትን፡ ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፡ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ። ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፡ ስለዚ ዂሎም ቅዱሳኑ፡ ደቂ እስራኤል፡ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፡ የመስግኖ ኣሎ። ሃሌሉያ። እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፡ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ። ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፡ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፡ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም። ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፡ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ። ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፡ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፡ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፡ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፡ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዂሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። *** *** ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፡ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፡ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፡ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፡ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዂሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። 1 ሃሌሉያ። ኣብ ጠፈር ስልጣኑ ኣመስግንዎ።2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ፡ ከም ብዝሒ ዕቤቱ ኣመስግንዎ።3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ። ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ።4 ብኸበሮን ብሳዕሳዒትን ኣመስግንዎ፡ ብቓና ኣውታርን እምብልታን ኣመስግንዎ።5 ጭልጭል ብዝብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፡ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል ኣመስግንዎ።6 ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፡ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፡ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፡ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፡ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዂሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። 1 ሃሌሉያ። ኣብ ጠፈር ስልጣኑ ኣመስግንዎ።2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ፡ ከም ብዝሒ ዕቤቱ ኣመስግንዎ።3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ። ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ።4 ብኸበሮን ብሳዕሳዒትን ኣመስግንዎ፡ ብቓና ኣውታርን እምብልታን ኣመስግንዎ።5 ጭልጭል ብዝብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፡ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል ኣመስግንዎ።6 ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። *** *** *** *** ምስላታት ሰለሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል። ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡ ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቓቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀምርያ እያ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጉድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወቶም ከለው ኸም ሲኦል ዃንና ንውሐጦም። ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልሶ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኩልና ማሕፋዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ። ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል። ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል። መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኹለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብይሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከአ ውዲት ይገብሩሉ። መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ውናኣ ተጥፍኣ። ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባባያት ድምጻ ተስምዕ። ኣቱም ዓያሱ ክሳዕ መአዝከ ዕሽነት ክትፈትው ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸአ ክሳዕ መኣዝላግዚ ባህ ኪብሎም፡ ደናቑርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደአ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣአ ኣይተቐበልኩምን፡ ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምለሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተው፡ ንኹሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከአ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቕትሎም፡ ነቶም ደናቑርቲ ኸአ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣአ ኪሀድእ እዩ። ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ ኣንበርካዮ፡ ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ ኣንበርካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከአ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸአ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከአ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ ክትረኽቦ ኢኻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቁባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸአ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸአ ዋልታኦም እዩ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቁባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸአ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸአ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ኹሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ፡ ፍልጠት ከአ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከአ ከተዕቁበካ እያ። ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከአ ከተዕቁበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጎሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋወዩ፡ ቄናን መገድታት ከአ ይኽተሉ። ካብታ ብፈታዊ ንእስነታ ዝሕደገቶ። ንኺዳን ኣምላኽውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ካብታ ብፈታዊ ንእስነታ ዝሕደገቶ። ንኺዳን ኣምላኽውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ናብ ምውታት ዜንቁልቁል እዩ እሞ፡ ካብቶም ናብኣ ዚአትው ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኸብዋን እዮም። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከአ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰንያት ተመላለስ፡ ነምገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከአ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰንያት ተመላለስ፡ ነምገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ እዮም ጠለምቲ ኸአ ኣብኣ ኺምንቆሱ እዮም። ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትን ሰላምን ኪውሰኻልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትን ሰላምን ኪውሰኻልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሓያውነት ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላትልብኻውን ጽሓፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኩሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸአ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከአ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ፡ ነዕጽምትኻውን ኣንጉዕ ኪኾነካ እዩ። ብጥሪትካን ብኹሉ በኹሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቑፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቑኻ ኸአ ብኹልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር። ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር። እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቁ ትኸብር፡ ኩሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን። ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋኣ ኸአ ሃብትን ክብረትን አለዋ። ጎደናኣ ጎደና ሐጎስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸአ ሰላም እዩ፡ ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸአ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከአ ብምስትውዓል ኣጽንዖ። ብፍልጠቱ መዓሙቑ ይኸፍት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ። ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸአ ስልማት ኪኾናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ኾይኑስ፡ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሀብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፡ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ። ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ ኣይትተናኹለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዲ ዝበለ ኹሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቐናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ መላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ። ኣቱም ቆልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸአ ኣቕልቡ። ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከአ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ። ሽዑ ኣስተምሀረኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነበር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል። ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸአ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ከተዕቁበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብኹሉ ጥሪትካ ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቖፍካያ፡ ክትህበካ እያ። ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሓቖፍካያ፡ ከትኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከአ ክትህበካ እያ። ወደየ፡ ስማዕ፡ ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጎደና ጥበብ መሀርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕናመራሕኩኻ። ክትከይድ ከሎኻ፡ ስጉምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጎየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን። ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጎደና እቶም እኩያት ከአ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሓቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ብጎደና እቶም እኩያት ከአ ኣይትኺድ። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸአ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸአ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር። መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከአ፡ እናወሰኸት ትበርህ። መገዲ ረሲኣን ግና ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዘኦንቅፎም ኣይፈልጡን። ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኸበን ሀይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸአ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይትርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቖረን። ንዝረኸበን ሀይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸአ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይትርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቖረን። ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሐልዎ። ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከአ ካባኻ ኣርሕቆ። ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ፡ ቁላሕታኽውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኩሉ ጎደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርኻ ኻብ እከይ ኣርሕቆ። ወደየ ምኽሪ ኽተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን። ወደየ ምኽሪ ኽተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን። ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸአ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፋ ከም ዘለዎ ሴፍ ከአ በሊሕ እዩ። ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጉምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ። ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በኻይዳኣ ኾብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ። ኣቱም ደቀይ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከአ ኣይትርሐቑ። መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ። ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ። ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ። ኣብ መጠረስታ ነፍስ ስጋኻ ምስ ተወድኤ፡ ከይተልቅስ እሞ፡ ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ። ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ። ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ። ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደአ፡ ካብቲ ዝፍልፍል ምንጭኻ ደአ ስተ። ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ። ምንጭኻ ይባረኽ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቑ ትኹነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ኹሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እማትካስ እትሐቁፍ፡ እምበኣርሲ መገሲ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ። እቲ ረሲእ ብአበሳኡ ይሕንኮል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸአ ይእሰር። ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዩ ድንቁርናኡ ኸኣ ይጋገ። ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸአ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ። ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡ ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡ ከምቲ ሜዳቑ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን። ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ። ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡ ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከአ ምትኻስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኸትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸአ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ። ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ። ብዓይኑ ይጠኣስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ ብጻብዑ የመልክት። ተንኮል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኩሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ። ስለዚ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን። እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹዱሽተ ነገር እየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስስ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእዚ ዚዘርእ። ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸአ ኣይትሕደጎ፡ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ። ሰብዶ ሓዊ ሓቑፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡ ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚአቱ ኸአ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን። ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ። እንተ ተታሕዘ ኸአ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኹሉውን ይህብ። እቲ ምስ ሰበይቲ ዝምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር። ቁስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን። ቅንኢ ንሰብኣይ ብቑጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ። ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ። ወደየ፡ ንቓላተይ ሓልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቐሮ። ንትእዛዛተይውን ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ። ናብ ኣጻብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ። ኣብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽባህላካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸአ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ። ኣብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽባህላካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸአ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ። ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጎበዝ ርኤኹ። ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ። ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ። ምድሪ መስዩ ጽልግልግታ ኾይኑ፡ ጸሊም ለይቲ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ። እንሆ ኸአ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክሳን ምንዝርና እተኽድነት፡ ልባ ተንኮለኛ፡ ንሳ ህውከተኛን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፋን። ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከአ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ። ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይኑ ዓይኑ እናጠመተት ከአ በለቶ፡ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡ ስለዚ ኸአ ክቕበለካን ገጽካ ክደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ። ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጉርጉር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ አሎኹ። ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀርፋ ነጺገሉ አሎኹ። ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና። ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና። ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና። ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ሰሐበቶ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኹብኩብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሽብብ ዑፍ ኮይኑ ብኡብኡ ሰዐባ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኹብኩብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሽብብ ዑፍ ኮይኑ ብኡብኡ ሰዐባ። እምበኣርሲ ደቀየ፡ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከአ ኣቕልቡ። ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከአ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ወሽጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጎደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሓት። ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከአ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ወሽጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጎደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሓት። ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ። ኣብ ጫፍ በረኸትን ኣብ ቀራናታትን መገድን ደው ኢላ፡ ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡ ኣቱም ሰባት፡ ናእኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ። ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቑርቲ ኸአ፡ ለብሙ። ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ። ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ። ኩለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን። ነዚ ኣስተውዓሊ ኩለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረኸቡ ኸአ ቕኑዓት እየን። ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ። ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ። ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ። ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣኻይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ። ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ። ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መኣፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ። ገዛእትን ከበርቴን ብዘለው መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ። ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸአ ይረኽቡኒ። ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ። ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከአ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ። ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ። ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ። እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ። ካብ ዘለአለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኮነት ቆምኩ። ገና መዓሙቕ ከኮነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ፡ ኣነ ተወለድኩ። ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ኾረቢት ኣነ ተወለድኩ። ንምድርን ንጎልጎልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከየገበሮ። ንሰማያት ኬቖሞ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቑ ኪዘርግሖ ኸሎ፡ ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቖሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቕ ኬበርትዖ ኸሎ፡ ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይትሐልፍሲ፡ ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡ ሽዑ ሰራሕተኛ ኾይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሕጎሶ፡ ኩሉ ጊዜ ኸአ ኣብ ቅድሚኡ እሕጎስ ነበርኩ። ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጎስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከአ ብደቂ ሰብ ነበረ። ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዚሕልው ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዕኒ። ጠቢባን ኮኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ። እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ ብዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ዚረኸበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል። እቲ ኣብ ልዕለይ ዚእብስ ግና ንነፍሱ ይጎድአ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ኾሎምሲ ሞት ይፈትው። ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑዳ ጸረበት። ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መአዳውን ኣሰናደወት ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡ ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡ ንዑ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብህይወት ክትነቡሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ። ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ። ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ። ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ። መጀመርያ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራእ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ። ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውስኻልካ እየን እሞ፡ ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ። ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ። ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ። ንሱ ግና ምውታት ኣብኡ ኸም ዘለው ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቚ ሲኦል ከም ዘለው ኣይፈልጥን እዩ። ምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጒሃይ ኣዲኡ እዩ። መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቕ ግና ክትጠሚ ኣይሐድጋን፡ ንህርፋን ረሲኣን ግና የንኰላልፎ። ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጉሃት ግና ተሀብትም። እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ። በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል። መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ፡ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ። ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ። ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ። ብዓይኑ ዚጠቅስ መከራ የምጽእ፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ። ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል። ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዂሉ ኣበሳ ትኽውሎ። ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ። ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ። ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ። ዕዮ ጻድቕ ንህይወት፡ እቶም ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ። ምዕዶ ዚሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት። ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ። ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ። ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን። ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ፡ ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዚሞቱ። በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን። ንዓሻ ኽፋእ ምግባር ዋዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ። ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሀቦም። ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ። ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ። ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ፡ ዓመታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን። ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ። መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ፡ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ። ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን፡ ረሲኣን፡ ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ፡ ልግመኛ ልሳን ግና ትቚረጽ። ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጒስ ይፈልጣኦ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ። ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ። ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ። ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም። ብመዓልቲ ቚጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ። ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ። ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም። ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፋኣትውን ይጠፍእ። ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን። እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ። ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን። ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ። እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል። እናመሐየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ። ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ። ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ። ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ። ውቅብቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብ፡ ሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ። ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ። ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ። ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕ፡ ንኽፋእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ። እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጒስዎ። ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም። መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቚረ ቐለቤት ወርቂ እያ። ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ። ገለ ይብትን እሞ ይውስኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቚጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ። ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ። ነቲ እኽሊ ዚዐቊር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል። ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ። ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ። እቲ ንቤቱ ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን። ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ። እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ። ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ። ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል፡ ንተንኰለኛ ግና ይዂንኖ። ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን። ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቊንቊነ እያ። ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ። ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ፡ ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም። እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም። ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዚነኣድ፡ ቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ። ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚደልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ። ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ። ምድሪ ዚወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን። ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ። እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቕ። ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳው ኸኣ ኪፍደ እዩ። እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ። ኲራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ። ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ። ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ። ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ። እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት ኣሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም። ንጻድቕ ገለ ኽፋእ ኣይረኽቦን፡ ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ። ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጒስዎ። ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ። ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ። እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ። ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ፡ ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም። ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ። ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት ኣላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን። ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን። ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ። ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ። ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረድብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ። ጻድቕ ንዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን። ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ። ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ። ሃብታም ብገንዘቡ ንህትይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን። ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ። ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ። ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እንጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ። ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ። ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ። ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ። ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራፍ እያ። ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ። ረሲእ ልእኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ። ነቲ ተግሳጽ ዘይቕበል ሰብ ድኽነት ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር። እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ። ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን። ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ። ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ። ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና ኣለው። ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ። ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ። ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ። ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልዎም። ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሉ ብዕራይ እዩ። እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ። መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግርን። ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይክትረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ምእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ። ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወሰን። ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድናኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ልቢ እናሰሐቕካውን ይጒሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ። እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ። ገርሂ ሰብ ንዂሉ ቓል ይኣንም፡ ለባም ግና ንስጒምቲ ይጥንቀቐለን። ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ። ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ። እቶም ደናቚርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ። እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ። ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም። እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ። እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ። ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ ኣሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት ጥራይ የብጽሕ። ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኲሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ። ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ። ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም። ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ። ምብዛሕ ህዝቢ ኽብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ። እቲ ንዂራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ። ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቚንቊኔኡ እዩ። እቲ ንድኻ ዚጭቊን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ። ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል፡ ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ ኣለዎ። ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ። ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል ይብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ። ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቊጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ። ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኲራ የልዕል። ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም። ልዝብቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ትሰብሮ። ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን። ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፡ ኣብ እቶም ረሲኣን ግና ህውከት ኣሎ። ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ። መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕቡ ግና የፍቅሮ። መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት። ሲኦልን መዓሙቚን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ። መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን። ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ። ኲለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፋኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኲሉ ግዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ። ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ። ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ። ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ። ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾኲ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ። ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ። ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ። ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ። ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቚሞ። እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር። ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል። እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ። ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጒሶ፡ ብስራይ ነዕጽምቲ የስብሖ። እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም። ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ። ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ዂሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ። እግዚኣብሄር ዂሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ። ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዂሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ። እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶም ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ። ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጒምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን። ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከረጺት ዘሎ ዂሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ። ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጒሳኦም ነቲ ቕንዕና ዚዛረብውን የፍቕርዎ። ቊጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ። ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ፡ ህይወት እዩ፡ ሞገስ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ኽንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ እከይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ። ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኲርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቕልበሉ ሰናይ ይረክብ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል፡ ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ። ምስትውዓል ንዘጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን። ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዐዪ። ሕሱም ሰብ እከይ ይዂዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ። በዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ። ሸያብ ጸጒሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ። ንዂራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይብለጽ። ዕጭ ናብ ሕቚፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመንኮን ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ። ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቚራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ። ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል። መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ። እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ። ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጒድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም። ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኸናፍር ከመይ ኢለን፡ መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ። ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ካብ ሚእቲ ግርፋን ንዓሻስ፡ ተግሳጽ፡ ተግስጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ። እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰዱሉ። ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዚጓነፈካስ፡ ኰራኲራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ። ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን። ምጅማር ቈየቛ ኸም ምኽፋት መገዲ ውሒዝ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ። እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዂንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም። ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም ፈታዊ ንዂሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ። ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ። ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጌኡ ዜንውሕ ምፍራስ ይደሊ። ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላት ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ። ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጒሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን። ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ። ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቚፊ ይወስድ። ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን። ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ። ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን። እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቚጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ። ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል። እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዂሉ ጥበብውን ይቃወሞ። ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ። ረሲእ እንተ መጸ፡ ንዕቀት ድማ ይመጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ። ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ። ጻድቕ ምእንቲ ኺግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን። ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ። ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን። ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኲላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ። እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ። ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቊብ። ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዝበለጸ ቀጽሪ እዩ። ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ። ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቚጸሮ። ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ። ንሰብ ውህበቱ መገዲ የርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ። እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ። ዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም። ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ፡ ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ። ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ። እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል። ድኻ እናለመነ ይዛረብ፡ ሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ። ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይተፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ ኣሎ። ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት። ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር። ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እካ ይሐድጎ። ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን። ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኲሎም ፈተውቱ እዮም። ንድኻ ዂሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለውን። ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ። ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ። ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኣን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን። ምስትውዓል ንሰብ ንዂራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ። ኲራ ንጉስ ከም ምጒዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ። ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከምቲ ኸየቛረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ። ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረሱ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ። ትህኪት ናብ ዓሚቚ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ። ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት። እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ። እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ። ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል። ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር። ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፋእ ከኣ ኣይረኽቦን። ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን። ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንብዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል። እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጒጒ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ። ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ። ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ። ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም ኣሎ። ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን። ንጉስ ከም ምጒዛም ኣንበሳ እዩ ዜሰምብድ፡ እቲ ዜዀርዮ ንህይወቱ ይብድላ። ንሰብ ካብ ቈየቛ ምርሓቕ ክብረቱ እዩ፡ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ። ሃካይ ብምኽንያት ቊሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን። ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ። ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።ፕ ኣብ ዝፋን ፍርዲ እተቐመተ ንጉስ እከይ ንዘበለ ዂሉ በዒንቱ ይብትኖ። ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሄ፡ ኪብል ዚኽእል መን እዩ ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እየን። ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ። ነታ ሰማዒት እዝንን ነታ ረኣዪት ዓይንንሲ፡ ንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን። ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ። ዓዳጊ፡ ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ፡ ይብል፡ መገዱ ምስ ከደ ግና ይሕበን። ወርቅን ብዙሕ ዕንቊን ኣሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን። ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጓኖትሲ ታሕዚ ኻብኡ ውሰድ። እንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ። ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ፡ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ። እቲ እናዞረ ዚሐሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለዚ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ። እቲ ነቦኡን ነዲኡን ዚረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸልማት ኪጠፍእ እዩ። እቲ ብመጀመርያ ቐልጢፉ እተኣከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ። እከይ ክፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ። ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን። ስጒምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር እዩ ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዜስተውዕላ ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ። ጥበበኛ ንጉስ ነቶም ረሲኣን የዝርዎም፡ ብመንኰራዂ ር ድማ ይደርጾም። መብራህቲ እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ። ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልዋኦ፡ ንሱ ብምሕረት ንዝፋኑ የጽንዖ። ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ። ሰመርመር ዜብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ። ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ። ሰብሲ ዂሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን። እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ። ኲሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ። ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ። እቲ ብሓሳዊት መልሓስ እተኣከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ። ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፎኦም ጥፍኣቶም እዩ። መገዲ እቲ በደለኛ ጥውጥዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ። ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ። ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን። ንመላገጺ እንተ ቐጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እኝተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል። እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም። እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰማዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን። ብስውር ዝኣተወ ገጽ በረኸት ኲራ የህድእ፡ ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቊጥዓ የዝሕሎ። ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐስ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ። እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምውታት ይነብር። ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን። ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ። ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይቲስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ። ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ግና ይውሕጦ። እቲ ንጽድቅን በጒነትን ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ። ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሉ እምንቶኣ ኸኣ የፍርሶ። እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ። ዕቡይን ኲሩዕን ሰብ መላገጹ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቊጥዓ ይገብር። ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ። ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ። መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፋን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ። ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዚሰምዕ ሰብ ግና ኲሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ። ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ። ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን። ጽቡቕ ምስ ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ። ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዂላቶም ዝገበሮም እግዚኣብሄር እዩ። ኣስተውዓሊ ስብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጒ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጒድኡ። ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ። እሾዂን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ኸኣ ካብኡ ይርሕቕ። ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ። ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ። እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድ፡ ብሸቦጥ ቊጥዓኡ ይጠፍእ። እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ እንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ። ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ። እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ። ኣዕንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦ። ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል። ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቚ ጒድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ። ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ። ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ። ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ። ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ። እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎም ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ። ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ። እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ። መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል። ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባይ ኣይቀውምን። ኣብ መኣዲ ምስ መኰንን እንተ ተሰራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል፡ ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ፡ ጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም መብልዑ ኣይትብሀጎ። ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ ናይ ክፋእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መባልዑ ኸኣ ኣየብህግካ፡ ብላዕ፡ ስተ፡ ይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን። ነታ ዝበላዕካያ ዂላሶ ኽትተፍእ ኢኻ፡ ነታ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ። ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ እዝኑ ኣይትዛረብ። ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትእቶ። እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪማጐተካ እዩ። ልብኻ ናብ ተግሳጽ፡ ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ። ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ገረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና። ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡ እወ፡ ከናፍርካ ቕንዕና እንተ ተዛረባ፡ ኰላሊተይ ደስ ይብለን። ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዂሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ። ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዂሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ። ኣታ ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ። ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን። ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን። ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ። ንሓቂ ዐድጋ እሞ ኣይትሽጣ፡ ንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮን ከኣ። ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፡ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ። ወደየ፡ ልብኻ ሀበኒ፡ ኣዒንትኻ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን። ኣመንዝራስ ዓሚቚ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጒድጓድ እያ። ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሓት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም። ዋይዋይታ ንመን እዩ ሓዘን ንመን እዩ ባእሲ ንመን እዩ ምስቊርቋር ንመን እዩ ብዘይ ምኽንያት ምቚሳል ንመን እዩ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጒዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ። ንወይኒ ምቕይሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ። ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፉፍ የብል። ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡ ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ መሊሰ ኽደልዮ እየ። ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ። ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ። ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዂሉ ጥሪት ዚመልእ። ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ። እምበኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ። ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፋ ኣብ ደገ ኣይትከፍትን። እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲ፡ ስራሕ ነገር እዩ ዚበሀል። ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፋን እዩ። ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ። ነቶም ናብ ሞት ዚጒተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም። እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ። ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተመሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቚረጽን እዩ። ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ። እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲአን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ። እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ። እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ። እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ። እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ። ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር። ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን። ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም። እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ። ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም። ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ። ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጒዳዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር። ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል። ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ኲሉ ተዀርባ በቚልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ። እዘን ምስላታት እዚኤን ድማ ናይ ሰሎሞን እየን፡ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት ከኣ ኣኻኽብወን። ክብሪ እግዚኣብሄር ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ። ልዕልና ሰማይን መዓሙቚ ምድርን ልቢ ነገስታትን ኣይተመርማርን እዩ። ንብሩር ካብ ዛዕጉ ኣጽርዮ እሞ፡ ሽዑ ነንጠረኛ ኣቕሓ ይወጸሉ። ንረሲእ ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆ፡ ሽዑ ዝፋን ንጉስ ብጽድቂ ይጸንዕ። ሳ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሀር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቑም። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሀር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቑም። ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ኣብ መወዳእታ እትገብሮ ኸይጠፍኣካስ፡ ናብ ባእሲ ኣይትቐልጥፍ። ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ። ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ። ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ። ንትሰምዕ እዝንስ ጥበበኛ ገሳጺ ኸም ቀለቤት ወርቂን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ። እሙን ልኡኽ ነቶም ዚልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርዕጪ ብጊዜ ቐውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና። ብዛዕባ ህያብ ብሓሶት ዚጅሀር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዜብሉ ደበናን ንፋስን እዩ። ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር። መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ፡ ዚኣኽለካ ብላዕ። ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር። እቲ ኣብ ብጻዪ ሓሶት ዚምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ። ጠላሚ ሰብ ብመዓልቲ ጸበባ ንዚጽግዖ፡ ብዂባዂ ስገን መንሳተቲ እግርን እዩ። ንሕዙን ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ ከምቲ ብጊዜ ቚሪ ንመደረብታኡ ዚቕንጥጦን ኣብ ጨው ከኣ መጺጽ ዜእትውሉን እዩ። ጸላኢኻ እንተ ተመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን፡ ማይ ኣስትዮ። በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪፈድየካ እዩ። ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእ፡ ሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ። ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ። ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት፡ ከም ዝሑል ማይ ንዝጸምኤት ነፍሲ እዩ። ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ እተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ። መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ። መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ። ከምቲ በረድ ንጽብሓት፡ ዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን። ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ። ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ። ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ። ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ። እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ። ኣእጋር መጻጒዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ። ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ። ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸም እሾኽ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ። እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዐል፡ ከምቲ ንዝረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ። ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ። ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ። እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ፡ ይብል። ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይዘውር። ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላሳ ድኻም ይዀኖ። ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚመልሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ። እቲ ናብ ዘይነገሩ ዚኣቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ። እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ክጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ። እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ክጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ። ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ። ከሰል ንጓህሪ፡ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር። ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ኲላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ። ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ። ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር። ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዜፈንፍን ኣለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ። ጽልኢ ብተንኰል እንተ ተሐብኡ እኳ፡ ክፍኣቱስ ኣብ ማሕበር ኪቅላዕ እዩ። ጒድጓድ ዚዂዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ። ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቚሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ። መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ። ካልእ ይንኣድካ ኣፍካ ኣይኰነን፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን። እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት ዓሻ ይኸብድ። ቊጥዓ ጨካን እዩ፡ ኲራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ይብል ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ። ናይ ፈታዊ ምቚሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም። ዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትረግጽ፡ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኲሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ። ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዂብልል ሰብ፡ ቤታ ሓዲጋ ኸም እትዂብልል ዑፍ እዩ። ቅብኣን ዕጣንን ንልቢ የሐጒሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ። ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሐይሽ። ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃብ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጒሶ። ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጒድኡ። ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ። እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዚምርቖ፡ ከም ዚረግም ዚቚጸር። ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዂን እዩ። ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ። ንበለስ ዚከናኸን፡ ፍሬኡ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር። ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዚርእዮ፡ ከምኡ ኸኣ ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ። ሲኦልን መዓሙቚን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን። መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ። ንዓሻ ኣብ ሞጒእ ምስ ጒርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎን። ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ። ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ። ዕላም ሐሊፉ ለቅሚ በቚሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ። ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓደግ ግራት ኣሎካ፡ ጸባ ኣጣል ድማ ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድካን ኪኣክል እዩ። ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀፍሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ። ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታት ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ። ንመስኪን ዜጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ። መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእድዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም። እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኲሉ የስተውዕሉ። ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ። እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሓረጣን ገንዘብ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ። እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልሽ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፋን እዩ። እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዱ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጒድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ግጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም። ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ። ጻድቃን እንተ ተዐወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ። ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ኲሉ ጊዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ። ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ። ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፡ ንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ። ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ። ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕን፡ ብጦዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ። ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ። እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኺህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቚራስ እንጌራ ይብድል። ክፋእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን። ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ። እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ። ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ። ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ። ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዕንቱ ዚዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ። ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ። እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን። ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ህዝቢ የስቈርቊር። ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ። ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ። እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ። ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን። ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልትን። መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኲራ ይመልሱ። ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዂሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን። እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ። ዓሻ ንዂሉ ዂራኡ ይድርጒሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን። እቲ ንሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኲሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም። ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዚፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ። ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ። ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ። ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ። ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ። ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን። ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ። እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን። ቊጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ። ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ። እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን። ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር። ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፋን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፋን እዩ። እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቄ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኣኢአል፡ ንኢታኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡ ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቈሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን። ጥበብ ኣይተምሀርኩን፡ ፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን። ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ እንታይ እዩ ስሙ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዂሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ። ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእኤን ኣይትኽልኣኒ። ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ። ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ። ምእንቲ ኸይረግመካ፡ በዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ። ነቦኡ ዚረግም፡ ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ፡ ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ ኣሎ። ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኲሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ ኣሎ። ንመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዂርምቱ ወለዶ ኣሎ። ዓለቕትስ፡ ሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግቡ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዘይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡ ሲኦልን ዘይትወልድ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይኣኽለኒ ዘብይል ሓውን እዮም እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጒጥጒጥዋ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም። ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር ኣሎ፡ ኤረ ዘይፈልቶስ ኣርባዕተ እዩ፡ መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ። ኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገበርኩን፡ ትብል። ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዘይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ፡ ባርያ እንተ ነገሰ፡ ዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ፡ እተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ። ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ ኣለው፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም፡ ጻጸ ሓይሊ ዜብሉ ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ። ጊሔታት ሓይሊ ዜብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራ። ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሐቢሩ ይጒዐዝ። ጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዚከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ነገስታት ይርከብ። ሰለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጒሙ፡ ኤረ ግሩም ገይሮም ዚራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡ ካብ ኲሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡ ናብ ውግእ ዚነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዚኸይድ ንጉስ። ርጒኦ እንተ ተሐቚነ፡ ልኻይ የውጽእ። ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኲራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ። ርጒኦ እንተ ተሐቚነ፡ ልኻይ የውጽእ። ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኲራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ። ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡ ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ። ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን። ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን። ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር። ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት። ኣፍካ ክፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም። ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ኣዝዩ ይኸብር። ልቢ ሰብኣይ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፋእ ኣይትገብሮን። ጽጒርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጒሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። ሕቚኣ ብሓይሉ ትዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቊኒን ይሕዛ። ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኲሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዂን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሽይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ። ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ። ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን። ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም። ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ኸንቱነት እዩ። ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡ ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸአ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም። ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ። ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። ውሒዝ ዘበለ ኹሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ። ኩሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸአ ብምስማዕ ኣይትመልእን። እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን። ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ ኣላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዝመናት ዝነበረት እያ። እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸአ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን። ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ። ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ። ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅም፡ በልክዎም። ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸአ ክሕዛ ሐሰብኩ። ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ። ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ። ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ። ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ። ብሩር፡ ወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ። በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድና እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት። ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ። ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን። እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ። ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹ። ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ። ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደአ ኣዝየ ጥበበኛ ዘይኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ። በተን ዚመጻ መዓልትታት ኩሉ ይርሳዕ ስለ ዝኾነ፡ መዘከርታ እቲ ጠበብኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እየ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት። ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ። ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ኾይኑ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጊይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ። ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ። እንሆ፡ ንጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ ኣሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ። ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኩሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡ ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ነነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ርኤኹ። ካባይ ኣብሊጸ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡ ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ ኣለዎ። ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምትካል ጊዜ ኣለዎ። ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ ኣለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንኹሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ኹሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላክ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸአ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ። ኣነ ብልበይ ንኹሉ ነገርን ንኹሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ። ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ። ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብዝሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኪሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣአ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ እወ ይፈልጥ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ። ኣነ ኸአ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን። ስለዚ ኻብዞም ገና ብህይወት ዘለው ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምውታት ዘለው ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምውታት ኣመስገንኩ። ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ዘይነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር እኩይ ግብሪ ዘይረአየ ኣዝዩ ይሐይሽ። ኩሉ ጻዕርን ኩሉ ምስላጥ ዕዮን ከአ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ። ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይንሲ ሓንቲ ዕሙኹቲ ምስ ዕረፍቲ ይሓይሽ። ተመሊሰ ድማ ከንቱነት ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡ በይኑ ዚነብር፡ ካልኣይ ዜብሉ፡ ውሉድ ወይስ ሓው ዜብሉ ሰብ አሎ። ምስናይዚ ንጻዕሩ ወሰን የብሉን፡ ኣዒብንቱ ኸአ ሃብቲ ኣይጸግባን፡ ነፍሰይ ጽቡቕ እናኸላእኩ ዝደኸሞኽ ንመን እዩ፡ እዚውን ከንቱነትን ሕማቕ ጻዕርን እዩ። ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸአ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን። ካብ ምኽሪ ምቕባል ዘይፈልጥ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ ድኻን ጥበበኛን መንእሰይ ይሐይሽ። ብመንግስቱ ስኻ ኾይኑ እኳ ተወሊዱ ኽነሱ፡ ንጉስ ኪኸውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ። ኣነ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚመላለሱ ኹሎም ህያዋን ምስቲ ኣብ ክንዳኡ ኪቐውም እተመደበ ኻልኣይ ጎበዝ ርኤኽዎም። እቲ ንሱ ዚመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፡ ግናኸ እቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ብእኡ ኣይኪሕጎሱን እዮም። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ። እከይ ከም ዝገበሩ ኣየልጡን እዮም እሞ፡ ካብ ኛይ ዓያሱ መስዋእቲ ሕሩድሲ ኽትሰምዕ ምቕራብ ደአ ይሐይሽ። ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸአ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸአ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ። ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን ኣሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይጃ ዚኹርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸአ ዜጥፍእን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደአ። ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን ኣሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይጃ ዚኹርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸአ ዜጥፍእን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደአ። ካብቲ ብልዕሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት ኣሎ፡ ካብቶም ልዕል ዝበሉ ኸአ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም። ግናኸ ጥቕሚ መሬት ንኹሉ እዩ፡ ንጉስ እኳ ብሕርሻ ይጥቀም። ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸአ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ጥሪት እንተ በዝሔ፡ በላዕቱ ይበዝሑ፡ ንመጥረይኡ ደአ፡ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮኑስ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡ እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይኒ ሒደት እንተ በልዒ፡ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን። ዜሕዝን መግደራ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎስ፡ እቲ ንጉድኣት መጥረይኡ እተደለበ ሃብቲ እዩ። እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእ፡ ወዲ እንተ ወለደ ኸአ፡ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ የተርፍ። ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸ፡ ጥራዩ ኸም ዚመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸአ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን። ከምቲ ዝመጾ እዩ ዚኸይድ እሞ፡ እዚውን ዜሕዝን መግደራ እዩ፡ ንንፋስ ዝጸዐሮ ደአ እንታይ ኪረብሖ እዩ፡ ኩለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕ፡ ብዙሕ መከራን ሕማምን ኩራን ከአ አለዎ። እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቑጽሪ መዕልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ክርእን እዩ፡ እዚ ኸአ ሰናይን ጽቡቕን ኾይኑ ርኤኽዎ። ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጎስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጎስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ፡ ንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ፡ ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸአ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ አየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ። ሰብ ሚእትን ቖልዓ እንተ ዚወልድ፡ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሚኡውን እንተ ዚበዝሕ፡ ነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቁላዕ ይሐይሽ፡ እብል ኣሎኹ። ብኸንቱነት ይመጽእ፡ ብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል። ንጸሓይ ኣይርእያን፡ ኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ። ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ። ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን። ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡ ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን። ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን። ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን። ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ። ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ኹሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ። ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ። ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ። ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ። ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ፡ መማለጃ ኸአ ንልቢ የጥፍኦ። ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ። ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ። ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ። ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህየት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ። ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህየት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ። ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዝጎበጦ መንከ የቕንዖ፡ በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ። ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎ፡ ረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ኽሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎ። እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፡ እምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት፡ ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ። ካብ ኣብ ከተማ ዘለው ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ። ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ኹሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ኹሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ። ነዚ ኹሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት። እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሐ ይኽእል፡ ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥ፡ ክምርምር ክደሊውን፡ ረሲእነትሲ ዕሽነት፡ ዕብዳን ከአ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ። ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ። ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸአ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል። ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሐደ ሰባኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ። ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ። ኣነ፡ ስለ ማሕላ ኣምላኽ ኢልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሐልዎ፡ እብለካ አሎኹ። ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካ፡ ዚብሎ መን እዩ፡ እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሀወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕል፡ ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካ፡ ዚብሎ መን እዩ፡ እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሀወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕል፡ እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንኹሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸአ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡ እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንኹሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸአ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን እዩ፡ ከምይ ከም ዚኸውን ዚነግሮ ደአ መን እዩ፡ ሰብ ንንፋስ ኪኽልክሎ ስልጣን የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ዚስልጥንውን የልቦን፡ ኣብ ውግእ ከም ምስንባት የልቦን፡ ረሲእነት ነቲ ገባሪኡ ኣየድሕኖን። እዚ ኹሉ ርኤኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግብሪ ኣቢለ ኸአ ልበይ ኣቕናዕኩ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣት ዚስልጥንሉ ጊዜ ኣሎ። ከምኡ ኸአ ረሲኣን ከም እተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝአተውን ርኤኹ። እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ስፍራ ረሐቑ፡ ኣብታ ኸተማ ኸአ ተረስዑ። እዚውን ከንቱነት እዩ። እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፈርድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልብቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ። ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ፡ መዓልትታትውን እንተ ኣንውሔ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚኾነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ፡ ሰናይ ኣይኮነሉን፡ ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን። ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱነይ አሎ፡ ከም ግብሪ ረሲኣን ዚበጽሖም ጻድቃን አለው፡ ከም ግብሪ ጻድቃን ዚበጽሖም ረሲኣን ድማ ኣለው። እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ። ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ። ሰብሲ ለይትን መዓልትን አዒንቱ ሰለምታ ኣይርእያን እየን እሞ፡ ንጥበብ ክፈልጣ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ውራይ ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕክዎ፡ ሽዑ ብዛዕባ ኹሉ ግብሪ ኣምላኽ፡ ሰብ ኪምርምሮ ኢሉ እንተ ጸዐረ፡ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፡ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ግብሪ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል፡ ርኤኹ። ጥበበኛውን ዚፈልጦ እንተ መሰሎ፡ ኪረኽቦስ ኣይክእልን እዩ። ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ፡ ነዚ ኹሉ ምእንቲ ኽዕዘብ፡ ንልበይ ኣቕናዕክዎ። ሰብሲ ፍቕሪ ወይስ ጽልኢ ኣይፈልጥን፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚኦም እዩ። ኩሉ ንኹሎም ማዕረ ማዕረ ይበጽሖም፡ ንጻድቕን ንረሲእን፡ ንሕያዋይን ንንጹህን ንርኹስን፡ ነቲ ዚስውእን ዘይስውእን፡ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፡፡ ከምቲ ንዚምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዚፈርህ ሓንቲ ብጽሒት እያ እትበጽሖም። እዚ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ንኹላቶም ሓንቲ ብጽሒት ምብጻሕስ እኩይ እዩ። እምበአርሲ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ መሊኡ እዩ፡ ብህይወቶም ከለው ድማ፡ ዕብዳን ኣብ ልቦም አሎ፡ ድሕርዚውን ናብ ምውታት ይኸዱ። ካብ ምውት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ እሞ፡ ነቲ ምስ ኩሎም ህያዋን እተሐባበረ ተስፋ አለዎ። ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ኸአ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን። ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጎስ ልቢ ስተ። ክዳውንትኻ ኹሉ ጊዜ ይጻዕዱ፡ ንርእስኻ ድማ ዘይቲ ኣይተጉድለሉ። እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጎስ ንበር። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎብን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ ግበሮ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከአ ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ኹሎም ጊዜን ኣይፈልጣን እዩ እሞ፡ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ፡ ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ፡ ከምኡ ኸአ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም፡ ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ። ኣነ ኸአ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡ ኣነ ኸአ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡ ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፡ ዓብዩ ንጉስ መጸ ኸበባ ድማ፡ ኣብ ዙርያኣውን ዓበይቲ ግምብታት ሰርሔ፡ ኣብኣ ኸአ ጠበብኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኸበ፡ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሐና፡ ግናኸ ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሐደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን። ሽዑ ኣነ፡ ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፡ ቃላቱውን ኣይስማዕን እዩ፡ በልኩ። ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ ማእከል ዓያሱ ዚገዝእስ ብህድኣት ዚስማዕ ቃል ጥበበኛታት ይበልጽ። ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ፡ ሐደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ የጥፍእ። ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ። ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ። ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር። መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ። ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡ ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡ ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ርኤኹ። ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡ መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ። ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ። ሓጺን እንተ ጎደመ፡ ንብልሑ ኸአ እንተ ዘይሰሓልካዮ፡ ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም። ተመን ከይተዐዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን። ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ። መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ። ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ፡ ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ። ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ቖልዓ ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዚበዑ፡ ወይለኺ። ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ኺረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዚበልዑ፡ ብጽእቲ ኢኹ። ብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከአ ቤት ይነጥብ። ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶ፡ ወይኒ ኸአ ንህይወት የሐጉሳ፡ ኩሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ። ኣዕዋፍ ሰማይ ንድምጽኻ ይዘርዋኦ፡ ኣኽናፍ ዘለዎ ኸአ ነቲ ቓል የውርዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትርገሞ፡ ንሃብታምውን ኣብታ እትድቅሰላ ቤት ኣይትርገሞ። ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ። ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ። ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር። ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ። ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ኹሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር። ብርሃን ጥዑም እዩ፡ ኣዒንቲ ንጸሃይ ኪጥምታአ ኸለዋ ኸአ ባህ ይብለን። ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ አነበረ፡ ብኹላተን ይተሐጎስ፡ ግናኸ እተን መዓልትታት ጸልማት ከም ዝበዝሓ ይዘክር። እቲ ዚመጽእ ዘበለስ ኩሉ ኸንቱነት እዩ። ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ። ንእስነትካ ብጽሕነትን ከንቱነትን እዩ እሞ፡ ስለዚ ጓሂ ልብኻ፡ ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቆ። ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርትይዓት ሰብኡት ዚጉብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩረላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳኹቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ። ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ። ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ። እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ። ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸአ እዩ። ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ። መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ። መሃልያ ናይ ሰሎሞን። ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ ብምስዓም ኣፉ ይስዕመኒ። ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ ኣለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ፡ ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ። ደድሕሬኻ ክንጎይስ፡ ሰሐበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጎስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡ ግናኸ ከም ድንኳውንቲ ቔዳር፡ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን ጽብቕቲ እየ። ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ ጸላም ስለ ዝኾንኩ ኣይትጠምታኒ። ደቂ እኖይ ኮረዩለይ፡ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡ ኣታኽልቲ ወይንስ ናተይ እኳ ኣይሐሎኹን። ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጓሴኻ ኣባይ ተውዕለን፡ ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን ኣሎኻ። እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጋሰ መሓዙትካ ከም ኮብላሊት ዝኸውን፡ ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እንተ ዘይፈለጥካስ፡ ኣስአሰር መጓሰ ውፈሪ እሞ፡ መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንኳውንቲ ጓሶት ኣብልዒ። ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ፡ መልክዕ ጉንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ። ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና። ንጉስ ኣብ መአዱ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መአዛኡ ሰደደ። ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዘዐርፍ፡ ንአይ ቁጻር ከርበ እየ። ፈታውየይ ንአይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔንጌዲ ዚበቑላ ዘለላ ሪሓን እዩ። እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን። እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይ፡ ጽቡቕ ኢኻ፡ ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ። ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸአ ጽሕዲ እዩ። ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹሻን እየ። ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማኣከል እሾኹ ዝበቖለት ዕምባባ ሹሻን እያ። ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡ ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ። ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ። ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጎጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፋኒ። ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመንይቱ ኸኣአ ትሐቑፈኒ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቁን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኽ። ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት እናተናጠረ ይመጽእ ኣሎ። ፈታውየይ ንሚዳቑን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንይወ መካበብያና ደ ዊሉ ብመስኮት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ። ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ። እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወድኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዘ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸአ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መአዛኡ የውጽእ አሎ። እቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽቡቕተየ፡ ንዒ። ኣቲ ኣብ ቋቑራ ኸውሒ ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡ ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእየኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዐኒ። ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ ኣሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን የብልዔን። ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከአ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሚዳቑ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ዃንካ፡ ተመለስ። ብለይቲ ኣብ ዓረተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ ግናኸ ኣይረኸብክዎን። ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸአ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን። ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፡ ኢለ ኸአ ሐተትክዎ። ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሓዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሓደግክዎን። ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍቕሪ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሚዳቑን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ። እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ኹሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ፡ እንሆ፡ ዓራት ሰሎምን ካብ ጀገኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ። ኩላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መስከሚ ገበረ። ኣዕኑድ ብብሩር፡ መጸግዒኡ ብወርቂ፡ መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ። ውሽጢ ኸአ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ እዩ። ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጎስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ። እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ኸም ርግብታት እየን’። ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ኣስናንኪ ኸም እተቖርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጸ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኩለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ። ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ከም ምቃል ሮማን እዩ። ክሳድኪ ኸ ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔ፡ ሽሕ ዋልታ፡ ኩላተን ዋላቱ ጀጋኑ፡ ተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ። ክልቲኦም ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓስያ ማንታ መሓስእ ሜዳቑ እየን። መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከአ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኩርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ። ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን። ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ። ኣብ ሓበተይ፡ መርዐተይ፡ ልበይ ዘፈርክኒ፡ ብሓንቲ ቑላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ። ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ መርዐተይ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ፡ መአዛ ቕብእኺውን ካብ ኩሉ ቐመማት ይሐይሽ። መርዓተይ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ውለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ። ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተይ፡ እተሸጎረ ገነት፡ ዕጽዊ ዒላ፡ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። ኣባኺ ዝበቑለስ ገነት ሮማንን ክብር ፍሬታትን ዕምበባ ሪሓንን ናርዶስን፡ ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡስ ሻምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓነቱ ኣእዋም ዕጣን፡ ከርበን ዓልወን ኩሉ ብሉጽ ቀመማትን ዝለዋ እያ። ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ። ንፋስ ሰሜን፡ ተንስእ፡ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱ። ፍትወይ ናብ ገነቱ ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ። ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡ ከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ፡ ወይነይን ጸባይ ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኽተይ፡ ብልዑ ስተዩ፡ ፍትዋተይ ኣብዚሕኩም ስተዩ። ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ፡ ድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ ፍትውተይ፡ ርእሰይ ሀቦ፡ ጎተናይ ከአ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ርግበይ፡ ፍጽምተይ፡ ክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪኹሕኩሕ ሰማዕኩ። ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኸደኖ፡ ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ፡ ፍትወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፡ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ። ንፍትወይ ክኽፈተሉ ተንሳእኩ፡ ኣእዳወይ ከርበ፡ ኣጻብዔይ ከአ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ። ንፍትወይ አፈትክሉ፡ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐ፡ ኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒ፡ ደሌኽዎ ኣይረኸብክዎን ከአ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ። ሐለወቲ ኣብ ከተማ ኽዞሩ ኸለው ረኸቡኒ፡ ወቕዑኒ፡ አቑሰሉኒ፡ ሐልወቲ መካበብያ መጎክበብያይ ገፈፈኒ። ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡ ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን አሎኹ። ኣቲ ሐለፋ ኹለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ፡ ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ፡ ከምዚ ጌርኪ እተምሓልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ፡ ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ። ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡ ጎተናኡ ኾርዳድ፡ ከም ኳኹ ዝምጽላሙ እዩ። ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት፡ ጸባ ተሓጺበን፡ ኣብ ምልአት ተነቢረን እየን። ጉንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምበባ ሹሻን እየን። ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ። ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ። ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኩለንትንኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ። እቲ ሐላፋ ኹለን ኣንስቲ እትጽብቒ ፈታዊኺ ናበይ ከይዱ እዩ፡ ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ፡ ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጓስን ዕምበባታት ሹሻን ኪእክብን፡ ናብ ገነት፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲቐመም ወሪዱ አሎ። ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከአ ናተይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጓሲ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ከም ዮርሳሌም ባህ እትብሊ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣፍርሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየን፡ ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኹለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ። መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ። ንንግስታት ስሳ፡ ዕቁበት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከአ ቑጽሪ ዜብለን እየን። ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡ እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ፡ ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡ ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ሮማንውን እንተ ዐምቢቡ ኽርኢ፡ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ። ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቕመጠትኒ። ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቕመጠትኒ። ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት፡ ክንርእየኪ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ። ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፡ ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ አላ እያ፡ ኣቲ ጓል መስፍን፡ ኣእጋርኪ፡ ጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡ ቅርጺ ሕቖኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት እዩ። ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጎድሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ። ከርስኺ ብዕምበባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ። ክልቲኣን ኣጥባትኪ ኸም ማንቲ መሓስእ ሜዳቑ እየን። ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡ ኣዒንትኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ። ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፡ ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቑኖኺ ተአስረ። ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደታስ ክንደይ ትፍተዊ። እዚ ቑመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል። ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ችጨናፍራ ኸአ ክሕዝ እየ፡ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ ጨና እስትንፋስኪ ኸአ ከም ትርንጎ ይኹነለይ፡ ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስ፡ ናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ። ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸአ ናባይ እዩ። ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ ኣብ ዓድታት ንሕደር። ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጠዑ፡ ጎጉማ እንተ ነቒዑ፡ ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፡ ኣብኡ ፍቕረየ ክህበካ እየ። ናይ ፍቕሪ ትርንጉ መአዛኡ ይህብ። ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቖርክዎ፡ በብዓነቱ ሓድሽን ብሉይን ክቡር ፍረ ኣብ ደጌታትና አሎ። ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓውይ እንተ ትኾነለይ፡ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኸበካ፡ ምስዐምኩኻ ነይረ፡ ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን። መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡ ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቔ መስቴኹኻ። ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመነይቱ ኸአ ትሐቑፈኒ። ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ። እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኩሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጎ ኣንቃሕኩኻ፡ ኣብኡ ኣዴኻ ወለደትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ። ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንኣታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍእ ኣይክእልን። ወሓይስ ከአ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ኹሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዩም ምነዐቕዎ ነይሮም። ጡብ ዘይውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ አላትና፡ እትድለየላ መዓልቲ ክንገብረላ ኢና፡ ቀጽሪ እንተ ኾነት፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡ ደገ እንተ ኾነት ከአ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና። ኣነ ቑጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከአ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኮንኩ። ሰሎሞን ኣብ በዓልኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸአ ንሓለውቲ ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም። እታ ናተይ ዝኾነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡ ዎ ሰሎሞን፡ ሽሕ ንኣኻ እዩ፡ ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን። ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡ እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ አለው፡ ንኣይ ኮታ ኣስምዕኒ። ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከአ ከም ሜዳቑ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን። ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ ኣሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣኦሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል እዚ እዩ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም። ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ። ንቤት ያእቆብ፡ ህዝብኻ፡ ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡ፡ ከም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ስለ ዝጠንቈሉ፡ ምስ ደቂ ጓናውን ኣገና ስለ ዝጠቕዑ፡ ሐደግካዮም። ሃገሮምሲ ብሩርን ወርቅን ምሉእ እዩ፡ ዕቋሮም ድማ ታእላው የብሉን። ሃገሮም ከኣ ኣፍራስ ሞሉእ እዩ፡ ዓረብያታቶምውን ታእላው የብሉን። ሃገሮም ድማ ጣኦታት ምሉእ እዩ፡ንግብሪ ኣእዳዎም፡ ነቲ ኣጻብዖም ዝገበራኦ ይሰግድሉ። እቲ ጥቑዕ ሰብ ከኣ ለጥቕ ይብል፡ እቲ ምርኡይ ሰብ ድማ ይዋረድ ኣሎ፡ ስለዚ ይቕረ ኣይትብለሎምን ኢኻ። ኣብ በዓቲ እቶ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግብማኡን ኣግሊስካ ኣብ ሓመድ ተሐባእ። እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዂሉ ዕቡይን ኲሩዕን ልዕል ንዝበለ ዂሉን ኬዋርዶ፡ መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡ ኣብ ኲሉ ነዊሕ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ዀረቢትን፡ ኣብ ብዘሎ ነዊሕ ግምብን ኣብ ብዘሎ ጽኑዕ ቀጽርን፡ ኣብ ኲለን መራኽብ ተርሲስን ኣብቲ ንምርኣይ ዜተምኒ ዘበለን መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡ ትዕቢት ሰብ ኪዋረድ፡ ኲርዓት ሰባት ድማ ኪሐስር እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። ጣኦታትውን ብጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄርን ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም፡ ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ጐዳጒድ ምድርን ኪኣትው እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኪሰግዱሎም ዝገበርዎም ጣኦታት ብሩሮምን ጣኦታት ወርቆምንሲ ንፍሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ኪድርብይዎም እዮም። ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪኣትው እዮም። በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስ፡ ኲሉ ደገፉ እንጌራን ኲሉ ደገፉ ማይን ኬርሕቕ እዩ። ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡ ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ኬርሕቖም እዩ። ቈልዑ መሳፍንቶም ኪዀኑ ኽህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ኪመልክዎም እዮም። እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ። ሓደ ንሓው ኣብ ቤት ኣቦኡ ሒዙ፡ ክዳን ኣሎካ እሞ፡ ገዛኢ ኹነና፡ ነዚ ምዕናው እዚ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ፡ ምስ ዚብሎ፡ እቲውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ኣነ ዘናን ቊስሊ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ቤተይ ድማ እንጌራ ወይስ ክዳን የልቦን፡ እሞ፡ ገዛእ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ፡ ኪብል እዩ። ነዒንቲ ኽብሩ ኬቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚኣብሄር ስለ እተጻረረ፡ የሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ። ትርኢት ገጾም ዜርትዖም ይምስክር፡ ንሓጢኣቶም ከም ሶዶም የውርይዎ፡ ኣይሐብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለው እሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም። ንጻድቕ፡ ፍረግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዐዊትካ በልዎ። ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው። እግዚኣብሄር ኪምጒት ይትንስእ፡ ንህዝብታት ኪፈርዶም ይቐውም። እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ህዝቡ ዓበይትን መሳፍንትን ኪፈርዶም ይኣቱ፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንስኻትኩም ኢኹም ዝበላዕኩምዎ፡ እቲ ኻብ ድኻታት ዝዘረፍኩምዎ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ። ንህዝበይ እትረግጽዎ፡ ንገጽ ድኻታት ከኣ እትደቚሱንሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት። መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡ ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡ ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ ንመስትያትን ቅዕጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ። ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም። ደጌታት ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራ ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘምለጡ ናይ እስራኤል፡ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንጌጽን ንኽብርን፡ እቲ ፍረ ምድሪውን ንሓበንን ሓጐስን ኪዀኖም እዩ። እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ። ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡ ካብ ሽሾን ዝናምን ከኣ ጸግዕን መዕቀልን ዚኸውን ድንኳን ኪህሉ እዩ። ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ ኣሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ። ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ። ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ። እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ። ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡ ቤት ኣብ ቤት ዚድርቡ፡ ግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ። እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም። መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን። ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹ፡ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው። ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባ፡ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ ኣላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዚብሎን ናብኣ ይወርድ ኣሎ። እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ኪብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ኪዋረዳ እየን። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ። ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ኪጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ኪበልዕዎ እዮም። እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመታምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም። እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍ፡ ዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውን፡ ዚብሉ ወይለኦም። እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ፡ ንጸልማትሲ ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ፡ ንመሪርሲ ጥዑም፡ ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም። እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም። መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዜጽድቕዎ፡ ንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዜግድፍዎ ወይለኦም። ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎ፡ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሐሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዜንድዶ፡ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዚብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ኪኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ኪተጒጒ እዩ። ስለዚ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሔ እሞ ወቕዖም፡ ኣኽራን ኣንቀጥቀጡ፡ ሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋዳ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም። ድኹምን ስንከልከል ዚብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስን፡ ቅናት ሕቚኦም ኣይፍታሕን፡ ጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽን። ፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ። ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙ፡ የጒራዕርዑ፡ ግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ኪሀሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት። በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ። እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ። ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት። ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ። ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ። ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ። ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም፡ እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕ። ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸ፡ ጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ። ኰነ ኸኣ፡ ሬጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ብዘመን ኣሃዝ ወዲ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ተላዕሉ፡ ግናኸ ኣይተኻእሎምን። ንቤት ዳዊት ከኣ፡ ሶርያ ኣብ ኤፍሬም ሰፊሮም፡ ኢሎም ኣውረዩሎም። ከምቲ ኣእዋም ዱር ብንፋስ ዚናውጽ፡ ልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ በሎ፡ ንስኻ ምስ ሸኣርያሸብ፡ ወድኻ፡ ውጻእ እሞ ኣብቲ ወሰን መስኖ ላዕላይ ቀላይ ብጽርግያ ግራት ሓጻቢ ንኣሃዝ ተቐባበሎ፡ እሞ ንገሮ፡ ተጠንቀቕ፡ ህዳእ ኣይትፍራህውን፡ በዘን ክልተ ተኸኽቲ ተረፍ እያድ፡ በቲ ናይ ሬጺንን ናይ ሶርያን ናይ ወዲ ረማልያን ጒሁር ቊጥዓ ኸኣ ልብኻ ኣይጥፋእ። ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው። ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ። ርእሲ ኤፍሬም ከኣ ሰማርያ እያ፡ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ። እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓቂ ኣይትጸንዑን ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸምብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸምብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ። ኣሃዝ ግና፡ ኣይልምንን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፍትኖን እየ፡ በለ። ሽዑ በለ፡ እምበኣርሲ ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ስምዑ፡ እቲ ንሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኸይ ድማ ላሕ እተብልዎ ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠ፡ ሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታ ክትሕደግ እያ። ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ኻብ ዚፍለ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ዘመሰለ መዓልትታት ከቶ ዘይመጻ፡ ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ምድሪ ኣሶር ዘሎ ንህብን ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኪመጹ እሞ ኲላቶም ኣብ ጽምዊ ሽንጭሮን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኣብ ኲሉ ኣእሻዂን ኣብ ኲሉ ስዕሩር ምድርን ኪሰፍሩ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር፡ ንርእስን ንጸጒሪ እግርን ኪላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ኪሰዶ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ዝገምጋሙ ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ዘለዎ ዂሉ ስፍራስ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪዀኖ እዩ። ኲላ እታ ምድሪ እቲኣ እሾዂን ተዀርባን ክትከውን እያ እሞ፡ ፍላጻን መንትግን ሒዞም ናብኣ ኺኣትው እዮም። እቲ ብመባሮ ዚባሮ ዝነበረ ዂሉ ዀረቢት ከኣ ካብ ፍርሂ እሾዂን ተዀርባን እተላዕለ ሓደ እኳ ዚኸዶ የልቦን፡ ግናኸ መውፈር ኣብዑርን መርገጽ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ ኣብኡውን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ብብርዒ ሰብ ጸሐፍ፡ በለኒ። እሙናት ምስክር ከኣ፡ ንኡርያ እቲ ኻህንን ንዘካርያስ ወዲ ይቤፊኽያን ወሰድኩ። ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ። ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ። ከም ብሓድሽ ከኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማይ ሰሊሆም፡ ንዒቑ፡ ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ተሐጒሱ እዩ እሞ፡ ምእንትዚ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓብይን ማያት ርባ፡ ማለት ንጉስ ኣሶርን ኲሉ ኽብሩን፡ ኣብ ልዕሊኦም ኬደይቦ እዩ፡ ንሱውን ንዂሉ ደንደሱ ኺሐልፎን ኣብ ኲሉ ገምገሙ ኼውሕዝን እዩ። ናብ ይሁዳ ጥሒሱ ኺኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ገምገሙ ወጺኡ እናሐለፈ፡ ክሳዕ ክሳድ ኪበጽሕ እዩ። ዎ ኣማኑኤል፡ ምዝርጋሕ ኣኽናፉውን ንራሕቢ ሃገርካ ኺመልኦ እዩ። ኣቱም ህዝብታት፡ ነድሩ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም፡ ኣቱም ሰብ ርሑቕ ሃገር ከኣ ኲሉኹም፡ ጽን በሉ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም። እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ፡ ምኽሪ ወድቡ፡ ኪዝርዘር ከኣ እዩ፡ ቃል ተዛረቡ፡ ኣይኪቐውምን ድማ እዩ። እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ከምዚ ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ከምዚ ኢሉ ገሰጸኒ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ምምሕሓል ንዚብሎ ዂሉ ምምሕሓል ኣይትበልዎ፡ ነቲ ዚፈርሆ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፡ ብእኡውን ኣይትሰክሑ። ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን። ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩውን መድፈናን መፈንጠጣን ኪዀኖም እዩ። ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪተሐዙን እዮም። ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፡ ሕጊውን ሕተም። ኣነስ ነቲ ኻብ ቤት ያእቆብ ገጹ ዚሐብእ እግዚኣብሄር እጽበ፡ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። እንሆ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሀበኒ ደቅን፡ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ተኣምራትን ኴንና ኣሎና። ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ ኢልኩም ምለሱሎም። ናብ ሕግን ናብ ምስክርን፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓል እንተ ዘይተናገሩ፡ ብሓቂ ወጋሕታ የብሎምን። ሸጊርዎምን ጠምዮምን ኣብታ ሃገር ኪዞሩ እዮም። ምስ ጠመዩ ድማ፡ ሐሪቖም ንንጉሶምን ኣምላኾምን ኪረግሙ እዮም። ንላዕሊ ገጾም ኬንቃዕርሩ፡ ናብ ምድሪ ድማ ኪጥምቱ እዮም፡ እንሆውን፡ ጸበባን ጸልማትን ዜሸብር ጽልግልግታን ኣሎ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡ እዮም። ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም። ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለው ዚሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ። ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ። ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱኦ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ። እግዚኣብሄር ናብ ያእቆብ ቃል ሰደደ፡ እዚውን ኣብ እስራኤል ወደቐ። ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም። ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ ንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡ ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን። ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡ ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ። እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ። መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም። ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእቕ። እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን። ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ። ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም። እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም። ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሀፍሙ ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሐድግዎ ኢኹም ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዚተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቒጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። ኣሶር ሸቦጥ ቊጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ። ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ኪዘምትን ኪብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ኪረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ። ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎን፡ ልቡውን ከምኡ ኣይሐስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእን፡ ንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ። ይብል ኣሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዚበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታት፡ ኢደይ ዘርከበቶም፡ ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎ፡ ንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ እምበኣርሲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ። ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎ፡ ንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎ፡ ንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎም። ኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቚሖ ዚእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ ኣሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዜንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቚጭቚ ዚብል ኣይነበረን። ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዲ ይጀሀር እዩ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ ሸቦጥሲ ነቶም ዚልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶም በትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ኬባርዕ እዩ፡ እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊ፡ ቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኺበልዖ እዩ። ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ኪኸውን እዩ። እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዚጽሕፎ፡ ቊጽሪ ሒደት ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ይእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኪጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይኪጽግዑን እዮም። እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ። ዎ እስራኤል፡ ህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ኪምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኼውሕዞ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ኪፍጽም እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይ፡ ኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዐለልካ፡ ኣይትፍርሃዮ። ቅሩብ ጊዜ እምበር እቲ ዂራ ኺወዳእ፡ ቊጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ኪምለስ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓ፡ ጭጒራፍ ኬልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ኬልዕሎ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻ፡ ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኺስበር እዩ። ናብ ዓያት ይመጽእ፡ ብሚግሮን ይሐልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር ኣሎ። ብኽሳድ ይሐልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሀደም ኣላ። ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻ፡ ጽን በሊ፡ ኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲ። ማድሜና ትሀድም፡ ሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዜሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ይቚረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው። ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶ፡ ሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ። ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ። ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ። ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ። ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ። ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ኪጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ። ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ኪነፍሩ፡ ብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ኬውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ኪእዘዝዎም እዮም። እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ። ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ። ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን። ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር። ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ። ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮም፡ ንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም ኣሎኹ። ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም ኣሎ። እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ። ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ። ኪስምብዱ፡ ቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልው፡ ተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ። እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ ኣላ። ከዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡ ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ። ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብን፡ ኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ። እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡ እተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ። ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን። እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ። መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን። ባቢሎን፡ ጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ። ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም። ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም። ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታ፡ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ኪሐርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ኬቚሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ኪጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ኪለግቡ እዮም። እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ኪወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ኪገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዜዕርፈካ መዓልቲ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፡ ከመይ ኢሉ እቲ ጨቋኒ ተወዲኡ ኤረ እቲ ግፍዒኸ ኸመይ ኢሉ ተወዲኡ እግዚኣብሄር ንበትሪ ረሲኣን፡ ነቲ ዘንጊ ገዛእቲ፡ ሰበሮ። ነቲ ንህዝብታት ብቚጥዓ ኸየቛረጸ ዝወቕዖም፡ ነቲ ብዂራን ዓጋቲ ብዜብሉ ምስጓጒን ነህዛብ ዝገዝኤ ዘንጊ ሰበሮ። ኲላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ ኣላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ ኣለው። ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ኪቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው። እቲ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክትመጽእ ከሎኻ ኺቀባበለካ ኢሉ ብኣኻ የዕገርግር፡ ንድኔታትን ንዂሎም ስልጡናት ምድርን የበራብረልካ፡ ንዂሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋውንቶም የተንስኦም። ኲላቶም ከኣ፡ ንስኻውንዶ ኸማና ሐሚቕካ ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ ኢሎም ኪመልሱልካ እዮም። ክብረትካን ቃና መሰንቆታትካን ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ መንጸፍካ ሓሳኹ፡ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም። ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላክ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ። ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዜብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ ይብሉ ኣለው። ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዜብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ ይብሉ ኣለው። ኲሎም፡ ነገስታት ኣህዛብ፡ ብዘለው ዂሎም፡ ኣብ በቤቶም ብኽብሪ በጥ ኢሎም ኣለው፡ ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ፍተደርቤኻ። ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ ንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኣይኪስመን እዩ። ከይትንስኡ ንምድሪ ኸኣ ከይወርሱ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብኸተማታት ከይመልእዋ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንውሉድ ማሕረዲ ኣዳልው። ኣነ ኽትንስኦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስምን ትርፍን ወድን ወዲ ወድን ካብ ባቢሎን ከጽንት እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ማሕደር ቅንፍዝን ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ድማ ክዂስትራ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ። ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪውሰድ፡ ጾሩውን ካብ መንኲቦም ኪውሰድ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሔት ኢድ እዚኣ እያ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፡ መንከ ይመልሳ በታ ንጉስ ኣሃዝ ዝሞተላ ዓመት እዚ ጾር እዚ ዀነ፡ ካብ ሱር ተመንሲ ኸይሲ ኺወጽእ እዩ፡ ፍሬኡ ኸኣ ዚነፍር ርሱን ተመን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣቲ ፍልስጥኤም ብዘሎኺ፡ እቲ ዝወቕዓኪ ሸቦጥ ስለ እተሰብረ ኣይትተሐጐሲ። በዂሪ እቶም ድኻታት ኪጓስዩ፡ ሽጉራት ከኣ ሀዲኦም ኪሰፍሩ እዮም። ንሱርኪ ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፡ ትርፍኺ ድማ ኪሕረድ እዩ። ትኪ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ሰራዊቱ ኸኣ ንበይኑ ዚተርፍ የልቦን እሞ፡ ኣታ ደገ፡ ዋይዋይ በል፡ ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ፡ ብዘሎኺ ፍልስጥኤም ከኣ፡ ምኸኺ። ንልኡኻት ህዝብኻ እንታይ ኢሎም ኪመልሱሎም እዮም እግዚኣብሄር ንጽዮን ከም ዝሰረታ፡ እቶም ሽጉራት ህዝቡ ኸኣ ኣብኣ ጸግዒ ኸም ዚረኸቡ። ጾር ብዛዕባ ሞኣብ። ኣየ፡ ኣር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ፡ ኣየ፡ ቂር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ። ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን ኪበኽያ ናብ በረኽቲ ይወጻ ኣለዋ፡ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን ኣብ ልዕሊ ሜድባን ኰይና ዋይዋይ ትብል ኣላ፡ ኲሉ ርእሶም ነዃዕ፡ ኲሉ ጭሕሚ ኸኣ ቊሩጽ እዩ። ኣብ ኣደባባያ ኽዳን ሓዘን ይዕጠቑ፡ ኣብ ኣናሕሳን ኣብ ዕዳጋኣን ዋይዋይ እናበሉ ንብዓት የውሕዙ። ሄስቦንን ኤልዓለን የእውያ፡ ድምጸን ክሳዕ ያሓጽ ይስማዕ፡ ስለዚውን ናይ ማኣብ ተዋጋእቲ የእውዩ፡ ነፍሱ ኣብ ውሽጡ ተንቀጥቅጥ ኣላ። ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፡ እቶም ህዱማታ ኽሳዕ ጾኣር፡ ናብ ኤግላትሸሊሽያ ይሀድሙ፡ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ፡ ኣብቲ ናይ ሆሮናይም ዚወስድ መገዲውን ኣውያት ጥፍኣት ይተኽሉ ኣለው። ማያት ኒምሪም ነጺፉ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ነቐጸ፡ ለቕሚ ቐምሰለ፡ ለምዒ የልቦን። ስለዚ ነቲ ዘትረፍዎን ነቲ ዝዐቘርዎን ብርባ ዕቦል ኬሳግርዎ እዮም። ንዶባት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፡ ብኽያታ ኽሳዕ ኤግላይም፡ ብኽያታውን ክሳዕ ብኤርኤሊም በጽሔ። ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፡ ኣብ ዲሞን ዝገደደ ኽውስኽ እየ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምለጡ ሰብ ሞኣብን ኣብ ልዕሊ ተረፍ እቲ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ። ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ። ከም ዚሀድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍ፡ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን። ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ፡ ንስጉጓት ሕብኢ፡ ንህዱማት ኣይትግለጺ። እቲ ጠዋዪ ጠፊኡ፡ ምዝማት ከኣ ተወዲኡ፡ ጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብ፡ ንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ። ዝፋን ብምሕረት ኪትከል፡ ኣብኡውን ዚፈርድን ቅንዕና ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ። ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታ፡ ምብርጣጣ፡ ቊጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና። ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂርሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቊርኩም ክትበኽዩ ኢኹም። ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ ኣሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩ፡ ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን። ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ ኣሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለ፡ ብንብዓተይ ኤተርድሰኪ ኣሎኹ። ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዚረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ። ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፡ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ ከም መሰንቆ ይቚዝም ኣሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዐረ፡ ኣብ መቕደሱ ኺጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዜስልጦ የብሉን። እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቊጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብ፡ ብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኺዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ። ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍ፡ ዖና ዃና ኽትከውን እየ። ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ። እምባ ኻብ ኤፍሬም፡ መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ፡ ትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድ፡ ህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ። ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮ፡ ብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን። ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን። ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪ፡ ንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ ጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ። በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚ። ኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም ኣሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው። ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖም፡ ኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ። ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹና፡ ብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ። ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ። ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዚሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ዚኽፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ። ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ። እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዜንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሀዲኤ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ። ቅድሚ ቐውዒ፡ ጊዜ ምዕምባብ ምስ ሐለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ኪቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ኬርሕቖን ኪቘርጾን እዩ። ኲላቶም ሐቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ኪዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ኪሐግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ኪኸርሙ እዮም። በቲ ጊዜ እቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ካብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ካብቲ ዚኸፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ፡ ናብታ ስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን ገጽ በረኸት ኪቕረብ እዩ። ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ። ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ። መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም። ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእ፡ ርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ። ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም። ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒ፡ ኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ። ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ። እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም። ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም። መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸው፡ ምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ። መሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮም፡ ንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ። እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላ፡ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ። ዝዀነ ዕዮ፡ ርእሲ ወይስ ጭራ፡ ስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮ፡ ንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እየ። ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባ፡ ብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢርሄሬስ ክትበሃል እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ። እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም። እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓ፡ ኪወቕዓ እምኦ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ። በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመት፡ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡ በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡ ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ። ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና ኪብሉ እዮም። ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዚለዐል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዚፍራህ ሃገር ይመጽእ። መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይ፡ ዓማጻይ ይዕምጽ፡ ማራኻይ ይማርኽ ኣሎ። ኣቲ ኤላም፡ ደይቢ፡ ዎ ማዳይ፡ ክበቢ፡ ንምስቊርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ ኣሎኹ። ልበይ ተመሊሑ፡ ረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ። መኣዲ ይዳሎ፡ ሓለውቲ ይሕልው፡ ይብላዕ፡ ይስተ ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ልኸዩ። እግዚኣብሄርሲ፡ ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገር፡ በለኒ። ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረኣየ፡ ኣጸቢቑ ጽን በለ፡ ተጠንቂቑ ጽን በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ። ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ። ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ ኢሉ የድህየኒ ኣሎ። እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውን፡ ክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱ፡ መሊስኩም ከኣ ምጹ፡ በለ። ጾር ብዛዕባ ዓረብ። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሐድሩ ኢኹም። ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም። ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም። እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ኪጠፍእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቊጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዚተርፍ ሒደት እዩ። ጾር ብዛዕባ ሽንጭሮ ራእይ። ኲሉ ሰብኪ ናብ ናሕሲ ዚድይብሲ እንታይ ረኺቡኪ እዩ ኣቲ ታዕታዕን ዕግርግርን ዝመልኣኪ ኸተማ፡ ኣቲ ሕጒስቲ ኸተማ፡ እቶም ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፡ ኣብ ውግእ ከኣ ኣይሞቱን። ኲሎም መኳንንትኺ ሐቢሮም ሀደሙ፡ ብዘይ መንትግ ተኣሰሩ፡ ኣባኺ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም፡ ኣርሒቖም እኳ እንተ ሀደሙ፡ ሐቢሮም ተኣስሩ። ስለዚ ኣምሪረ ኽበክስ ቊሊሕ ኣይትበሉኒ፡ ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ ኣይትነዝንዙኒ፡ በልኩ። መዓልቲ ዕግርግርን ረግጽን ተጓእ ምባልን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ሽንጭሮ ራእያት ኰይኑ እዩ እሞ፡ ቀጽርታት ይፈርስ፡ ኣውያት ድማ ክሳዕ ኣኽራን ይበጽሕ ኣሎ። ኤላም ጒልድባ ጾረት፡ ምስ ሰብ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ወጸት፡ ቂር ዋልታ ቐልዔት። እቲ ጸጽቡቕ ለሴታትኪ ብሰረገላታት መልኤ፡ ፈረሰኛታት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ተሰለፉ። ጒልባብ ይሁዳ ተቐልዔ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣጽዋር፡ ናብ ቤት ዱር ቊሊሕ በልኪ። እቲ ፍሩስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምብዝሑ ርኤኹም፡ ነቲ ማይ ከኣ ኣብቲ ታሕታይ ሓጽቢ ኣከብኩም፡ ነባይቲ ኸተጽንዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ። ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ድማ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢስ መኣከብ ማይ ገበርኩም፡ ግናኸ ናብቲ ነዚ ዝገበረ ኣይጠመትኩምን፡ ናብቲ ኻብ ጥንቲ ዘዳለዎ ኣይርኤኹምን። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንብኽያት ንዋይዋይን ንምልጻይ ርእስን ከሊ ንምዕጣቕን ጸውዓኩም። እንሆ ኸኣ ታሕጓስን ደስታን ምሕራድ ኣብዑርን ምጥባሕ ኣባጊዕን ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኰነ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን፡ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ እዝነይ ነገረኒ፡ እዚ ዓመጻ እዚ ኽሳዕ እትሞቱ ኣይሕደገልኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ በለ፡ ናብ ሸብና፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ዘሎ ዓቃብ ቤት፡ ኪድ እሞ ንገሮ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ መቓብር ኣብዚ እትወቅር፡ ኣታ መቓብርካ ኣብ ላዕሊ እትወቅር፡ ስፍራ ንርእስኻ ኣብ ከውሒ እትዂዕትሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽም ኣርሒቑ ኺውርውረካ፡ ኣጸቢቑ ድማ ኪዕዂልለካ እዩ፡ ጠቕሊሉ የንከባልለካ፡ ከም ኲዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ሃገር ኪድርብየካ እዩ፡ ኣታ ነውሪ ቤት ጐይታኻ፡ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፡ እተን ሰረገላታት ክብርኻ ድማ ኣብኡ ኪዀና እየን። ካብ ስፍራኻ ክሰጐካ እየ፡ ካብ ሽመትካ ድማ ኪስዕረካ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡ ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪኸውን እዩ። መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን። ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ። ክብሪ ቤት ኣቦኡ ዂሉ፡ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፡ ኲሉ ናእሽቱ ኣቓሑ፡ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኺስቀል እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር ኪመልቚን ኪቚረጽን ኪወድቕን፡እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ጾር ከኣ ኪቕረጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ጾር ብዛዕባ ጢሮስ። ዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም። ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ። እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልን፡ ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት። ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሐዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹን፡ ደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶን፡ ሕፈሪ። እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዚበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ። እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ ምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኼሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኼዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ። ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ ንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኺፈርስ አዘዘ። በለ ድማ፡ ኣቲ እተዐመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶን፡ ደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዐሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ። እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ ዚኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑ፡ ኣዳራሻታ የፍርሱ፡ ዖናውን ይገብርዎ። ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓድ ንጉስ፡ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሎ ኪዀና እዩ፡ ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ፡ ኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ኪቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ። ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኺጸግቡ፡ ብሉጽ ክዳንውን ኪኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚነብሩ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪዕቈርን ኣይኪንበርን እዩ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማን፡ ገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ፋሕ የብሎም። ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ። እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ። ምድሪ ትሐዝን ትጽምሉውን ኣላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን ኣላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው። ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት። ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ይነዱ፡ ሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ። ኰልዒ ወይኒ ይሐዝን፡ ተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው። ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፡ ጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፡ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡ ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፡ ብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም። እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰት፡ ቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዐጽወ። ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዐረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዐዘ። ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ፡ ምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ። እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዚቕረም፡ ኪኸውን እዩ። እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉ፡ እልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ። ካብ ወሰን ምድሪ፡ ክብሪ ነቲ ጻድቕ ዚብል መዝሙር ንሰምዕ ኣሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይ፡ በልኩ። ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር፡ ስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኺትሐዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ ኣሎ። ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ። ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ኪቐጽዕ እዩ። ብሓደ ይእከቡ፡ እሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዚእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኪነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሐፍር፡ ጸሓይ ክትሐንኽ እያ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት፡ እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ፡ እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ። ንኸተማስ ኲምራ እምኒ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ፡ እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን፡ ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ። ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ። ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ፡ ንስኻ ዕርዲ ንድኻ፡ ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ፡ ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ፡ ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ። ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ፡ ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ ኣሎኻ፡ ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዂሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ፡ ኣንጒዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ። ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዂሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዂሎም ኣህዛብ ዚጒልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ። ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮ፡ ኬድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና፡ ኪበሀል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዐርፍ እያ እሞ፡ ከምቲ ሓሰር ኣብ ዕነ ዚርገጽ፡ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኺርገጽ እዩ። ከምቲ ሓማሲ ኺሕምስ ከሎ ኣእዳው ዚዝርግሕ፡ ከምኡ ኣብ ማእከሉ ኣእዳው ኺዝርግሕ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንትዕቢቱ ምስናይ እቲ ተንኰል ኣእዳው ኼዋርዶ እዩ። ነቲ ልዕል ዝበለ ጽኑዕ ቀጽሪ ዕርድኻ ለጠቕ ኬብሎ፡ ኬውድቖ፡ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኬብሎ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር ይሁዳ እዚ መዝሙር እዚ ኺዝመር እዩ፡ ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና፡ ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ኬንብረላ እዩ። እቲ ሓዊ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺኣቱስ፡ ደጌታት ክፈቱ። ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ። ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም፡ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ፡ ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ፡ ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ። እግሪ ኤረ ኣእጋር ድኻታትን ስጒምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ። መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ። ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናኻ። ስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ። ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ። ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ፡ ጽድቂ ኣይመሀርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፡ ንሳቶም ግና ኣይርእዩን፡ ግናኸ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ እትጽዕቶ ጻዓት ኪርእዩን ኪሐፍሩን እዮም፡ እወ፡ ንተጻረርትኻስ ሓዊ ኺውሕጦም እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው፡ ግናኸ ብኣኻ ጥራይ ንስምካ ንዝክሮ። ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን፡ ጽላሎት ኣይትንስኡን፡ ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምን፡ ንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ። ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ከበርካ፡ ንወሰን እቲ ሃገር ኲሉ ድማ ኣርሐብካዮ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ብጸበባ ደለዩኻ፡ ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ። ከም ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ምስ ቀረበት፡ ቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና። ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሐዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን።ፕ ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመን፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፡ ኲሉ ጊዜ ኤስትዮ፡ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፡ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣሎኹ። ኲራ የብለይን፡ ተዀርባን እሾዂን ኪዋግኡኒ እንተ ዚትንስኡ፡ ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም። እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዐረቕ፡ ንሓይለይ ይሐዝ፡ ምሳይ ይተዐረቕ። በቲ ዚመጽእ ዘመን፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡ እስራኤል ከኣ ኪልምዕን ኪዕምብብን እዩ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኺመልእዎ እዩም። ከምቲ ነቶም ወቓዕቲ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ ወይስ ከምቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮ፡ ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ ብብርቱዕ ህቦብላኡ ደፍኦ። ኣዕኑድ ኣስታርተን ሓወልቲ ጸሓይን ድሕሪ ደጊም ከይትንስኡ፡ ንዂሉ ኣእማን መሰውኢ ኸም ዚሰባበር እምኒ ኖራ ገይሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ስለዚ እቲ ኣበሳ ያእቆብ በዚ ተሰርየ፡ እዚ እዩ ምሉእ ፍረ ምርሓቕ ሓጢኣት። እታ ጽንዕቲ ኸተማ ትጽሙ፡ ከም በረኻ፡ ሰብ ዜብሉ እተሐድገ ስፍራ ትኸውን ኣላ፡ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፡ ኣብኣውን ይውዕልን ጨናፍራ ይበልዕን ኣሎ። ጨንገፋ ምስ ነቐጸ፡ ይስበር፡ ኣንስቲውን መጺኤን የንድዳኦ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ካብሪ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ ግብጺ ወሓዚ፡ እግዚኣብሄር ፍረ ኼእቱ እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ እሞ፡ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ጠፊኦም፡ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺውን ተሰጒጎም ዝነበሩ ኺመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም። ነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዚብሉ ዘላን ወይለኤን። እንሆ፡ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር ይመጽእ ኣሎ፡ ንሱ ኸም ሃጽፊ በረድን ከም ዜጥፍእ ህቦብላን ከም ሃጽፊ ብርቱዕ ደምሳሲ ማይን ኰይኑ፡ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ጻሕ የብሎ። እቲ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬም ብእግሪ ኺርገጽ እዩ። እቲ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ዘሎ ናይቲ ኽቡር ስልማቱ ዝጸምለወ ዕምባባ ከምቲ ቕድሚ ቐውዒ ቀዲሙ ዝበሰለ በለስ ኪኸውን እዩ፡ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኣብ ኢዱ ኸሎ፡ ቀልጢፉ ይውሕጦ። በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ኪዀኖም እዩ። ነቲ ኺፈርድ ዚቕመጥ ከኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዚመልሱ ድማ ሓይሊ ኪዀኖም እዩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ኸኣ ይሳናኸሉ። ካህንን ነብይን ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብወይኒ ይውሐጡ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ኣብ ራእይ ይጋገዩ፡ ኣብ ፍርዲ ይዕንቀፉ ኣለው። ኲሉ መኣድታት ዜፈንፍን ትፋእ ምሉእ እዩ፡ ካን ጽጹይ ስፍራ ይልቦን። ንመን ደኣ ፍልጠት ኪምህር እዩ ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዜስተውዕላ ዚገብሮ ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሐደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ። እምበኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ። ንሱውን፡ ዕረፍቲ እዚኣ እያ፡ ነቲ ድኹም ኣዕርፍዎ፡ እታ መቕሰኒት እዚኣ እያ፡ ኢልዎም ነይሩ፡ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ስለዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ኪዀኖም እዩ። ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ ጥንቅሊዒት ወዲቖም፡ ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪትሐዙን እዮም። ስለዚ ኣቱም መላገጽቲ፡ ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትመልኩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምስ ሞትሲ ኺዳን ተኣታቲና፡ ምስ ሲኦም ድማ ተዋዓዒልና፡ ንሓሶት ጸግዕና ንጥልመትውን ከውልና ጌርና ኢና እሞ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ኣባናስ ኣይኪበጽሕን እዩ፡ ትብሉ ኣሎኹም እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ። ፍርዲ ንመዓቀኒ፡ ጽድቂ ኸኣ ንመለክዒ ኽገብሮ እየ፡ በረድ ንጸግዒ ሓሶት ኬፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኺድምስሶ እዩ። እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንሲ ከንቱ ኪኸውን፡ እቲ ምስ ሲኦል እተዋዓዐልኩምዎ ውዕል ከኣ ኣይኪጸንዕን እዩ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ንስኻትኩም ብእኡ ኽትርገጹ ኢኹም። ንግሆ ንግሆ፡ ለይትን መዓልትን ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ እናሐለፈ ኺሕዘኩም እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስትውዓልሲ መሰክሒ ጥራይ ኪኸውን እዩ። ዓራት ከየሳፍሑሉ፡ ሓጺር እዩ፡ መደረብታ ኸኣ፡ ብእኡ ኸይጒልበቡ፡ ጸቢብ እዩ። እግዚኣብሄር ንዕዮኡ፡ ነቲ መስትንክር ዕዮኡ ምእንቲ ኺገብር፡ ንተግባሩ፡ ነቲ ዜደንቕ ተግባሩ ምእንቲ ኺፍጽምሲ፡ ከም ኣብ ከረን ጴራጺም ኪትንስእ፡ ከም ኣብ ለሰ ጊብዖን ኪዂሪ እዩ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ሰሚዔ ኣሎኹ እሞ፡ ማእሰርትኹም ከይጸንዕ ደጊምሲ ኣይተላግጹ። ጽን በሉ፡ ድምጻይ ስምዑ፡ ኣስተብህሉ፡ ዘረባይ ድማ ስምዑ። ሓረስታይ ኪዘርእ ኢሉ ዂሉ መዓልቲዶ ይሐርስ፡ ንግራቱስ ይባርዎን ይጒልጒሎን ድዩ ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት፡ ስገም ድማ ኣብ ወገኑ፡ ንሂጒውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ ኣምላኽውን ነቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣፍሊጥዎን ምሂርዎን እዩ። ሰሰግ ብመኼዲ ኣይክየድን፡ መንኰርኰር ሰረገላ ኸኣ ኣብ ካሙን ኣየዙሩን፡ ንሰሰግሲ ብጨንገፍ፡ ንካሙን ድማ ብሸቦጥ እዮም ዚዘብጥዎ። እኽሊ ይጥሐን እምበር፡ ንሓዋሩስ ኣይክየድን እዩ፡ መንኰረዂር ሰረገላኡን ኣፍራሱን እኳ እንተ ኣኼድሉ፡ ኣይጥሐንን እዩ። እዚውን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝወጸ። ንሱ ብምኽሩ ዜገርም፡ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ። ኣቲ ኣሪኤል፡ ኣሪኤል፡ ዳዊት መሳፍሮ ዝገበረኪ ኸተማ፡ ወይለኺ። ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፡ በዓላትውን ምዝዋሩ ይፈጽም። ንኣሪኤል ድማ ከጨንቐላ እየ፡ ዋይዋይን ቊዝማን ኪኸውን እዩ፡ ንሳውን ከም ኣሪኤል ክትኰነኒ እያ። ኣብ ከባቢኻ ኽሰፍር እየ፡ ብሰራዊት ክኸበኪ፡ ኣብ ልዕሌኺውን ዕርዲ ከቕውም እየ። ተዋሪድኪ፡ ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ ኢኺ፡ ቃልኪ ብሰላሕላሕ ካብ ሓመስ ኪወጽእ፡ ድምጽኺ ከም ድምጺ ሰራዪ ኻብ ምድሪ ኺስማዕ፡ ቃልኪውን ካብ ሓመድ ሕሽዂሽዂ ኪብል እዩ። ብዝሒ ጻላእትኺ ግና ከም ድኹም ተጐጓ፡ ብዝሒ እቶም መጨነቕቲ ኸኣ ከምቲ ዚሐልፍ ብቚብቚ ኪኸውን እዩ፡ እዚውን ብቕጽበት ብድንገት ኪኸውን እዩ። መዓት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብነጒድን ምንድቕዳቕ ምድርን ብብርቱዕ ህማምን ህቦብላን ሃጽፍን ብዚባላዕ ሃልሃልታ ሓውን ኪመጸኪ እዩ። ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሪኤል ዚትንስኡ ዂሎም ኣህዛብ፡ ብዝሒ እቶም ንእኣን ንዕርዳን ዚወግኡን ዜጽብቡን ኲሎም ከም ሕልምን ራእይ ለይትን ኪኸውን እዩ። ከምቲ ጥሙይ ብሕልቡ ዚበልዕ፡ ምስ ነቕሔ ግና ነፍሱ ጥራያ እያ፡ ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዚሰቲ፡ ግናኸ ምስ ነቕሔ፡ እንሆ፡ ይሕለል ነፍሱውን ትጸምእ፡ እቶም ብዙሓት ንኸረን ጽዮን ዚወግእዋ ዂሎም ኣህዛብ ድማ ከምኡ ኪዀኑ እዮም። ተድነቑን ተገረሙን ተዐመቱን ዑሩን። ስኹራት እዮም፡ ግናኸ ኣይብወይንን፡ ሰንከልከል ይብሉ፡ ግናኸ ብብርቱዕ መስተ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ከቢድ ምትኻስ ኲዕዩልኩም ኣሎ እሞ፡ ነዒንትኹም ደፊንወን፡ ንነብያትን ንሓለቓታትኩምን ንሰብ ራእይን ኣጐልቢብዎም ኣሎ። ኲሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ። ንሓደ ንባብ ዚፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይዀነለይን፡ ኢሉ ይመልስ። ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ። እግዚኣብሄር ከኣ በለ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ፡ ዜደንቕ ተግባርን ተኣምራትን ወሲኸ ኽገብር እየ፡ ጥበብ፡ እቶም ጥበበኛታቱ ኺጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኺድፈን እዩ፡ በለ። ነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሐብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዚገብሩ እሞ፡ መን ይርእየና መንከ ይፈልጠና፡ ዚብሉስ ወይለኦም። ኣየ ኣቱም ቄናናት፡ ስሩሕ ንስራሒኡ፡ ንስኻ ኣይሰራሕካንን፡ ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ፡ ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ፡ ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ኪልወጥ፡ እቲ ፍርያም ግራት ከኣ ከም ዱር ኪቚጸር፡ ቅሩብ ጊዜዶ ኣይኰነን ተሪፉ ዘሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ጽሑፍ ኪሰምዑ፡ ኣዒንቲ ዕውራት ድማ ካብ ጽልግልግታን ጸልማትን ወጺኤን ኪርእያ እየን። እቶም ዓቃላት ንሓጐሶም ኣብ እግዚኣብሄር ኬዕዝዝዎ፡ እቶም ኣብ ማእከል ሰብ ዘለው ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪሕጐሱ እዮም። ስለዚ እቲ ጨካን ደጊም ኣይኪህሉን፡ እቲ መላገጺ ኸኣ ጠፊኡ እዩ፡ እቶም እከይ ኪገብሩ ትልጭ ዚብሉ ዂላቶም፡ እቶም ንሰብ ብሰሪ ሓንቲ ቓል ከም በዳሊ ዚፈርድዎ፡ ነቲ ኣብ ደገ ዚግስጽ ከኣ መፈንጠራ ዚግትሩሉ፡ ነቲ ጻድቕ ድማ ብኸንቱ ዜርሕቕዎ ኺጸንቱ እዮም። ስለዚ እቲ ንኣብርሃም እተበጀዎ እግዚኣብሄር ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ። ደጊምሲ ያእቆብ ኣይኪሐፍርን ገጹውን ኣይኪጽምሉን እዩ። ንደቁ፡ እቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡ ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣየ ግና፡ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኪቕድሱ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኪፈርሁ እዮም። እቶም ብመንፈስ እተጋገዩ ድማ ኣእምሮ ኺረኽብ፡ እቶም መጒረምረምቲውን ትምህርቲ ኺምሀሩ እዮም። ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሐተትኩምን። ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን እዩ። መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡ በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም፡ ረዲኤትን ጥቕምን ከኣ ዜብሉ ህዝቢ ኲላቶም ኪሐፍሩ እዮም። ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ። በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዚነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ። ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ። እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾ፡ ንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ። ዓለወኛ ህዝቢ፡ ሓሰውቲ ውሉስ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዚኣብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡ ነቶም ፈኣይቲ፡ ኣይትርኣዩ፡ ንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልና፡ ዜሐጒስ ደኣ ንገሩና፡ ጥበራውን ተነበዪልና፡ ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ። ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡ ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡ ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበር፡ ኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም። ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሀድም፡ ስለዚ ኽትሀድሙ ኢኹም፡ ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዚሰጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም። ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ኪሀድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሀድሙ ኢኹም። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም። እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ኪነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ። እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን እዮም። ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን። ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ። ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን። እቶም ንምድሪ ዚሐርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስኤን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኺበልዑ እዮም። በታ ግምብታት ዚወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ኪኸውን እዩ። በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዘንላ፡ ንቚስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ኪኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ኪኸውን እዩ። እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቊጥዓኡን ብዚዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእ፡ ልሳኑውን ከም ዚባላዕ ሓዊ እዩ። ነህዛብ ብምሔ ኸንቱነት ኪሔሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዜጋጊ ልጓም ምእንቲ ኺለጒምሲ፡ ትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዚበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ። ከምታ ቅዱስ በዓል ዚበዐለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኺድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ኪሕጐስ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኼስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቚጥዓን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ። ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዔ፡ ብድምጺ እግዚኣብሄር ኪሰባበር እዩ እሞ፡ ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዜውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዐለ ኺዋግኦም እዩ። ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ ኣላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወት፡ ኣዕመቛን ኣርሐባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ ኣሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ ኣሎ። እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን። ግናኸ ንሱ ድማ ጠቢብ እዩ፡ ንእከይ የምጽኦ፡ ንቓሉ ኸኣ ኣይልውጦን፡ ንምጽራር ቤት እቶም ገበርቲ እከይን፡ ንምጽራር ረዲኤት ዓመጸኛታትን ድማ ይትንስእ። እምበኣርከ ግብጻውያንሲ ሰብ እዮም፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፡ ኣፍራሶም ከኣ ስጋ እዮም፡ መንፈስ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ ምስ ዚዝርግሕ ከኣ፡ እቲ ረዳኢ ይዕንቀፍ፡ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ እሞ ኲላቶም ሐቢሮም ይጠፍኡ። እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጸዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዚጓዝም፡ ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኲድዂዶኣን ምእንቲ ኺዋጋእ ኪወርድ እዩ። ከምተን ዚነፍራ ኣዕዋፍ ገይሩ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኬዕቊባ እዩ፡ ኬዕቊባን ኬናግፋን ኪንሕፋን ኬድሕናን እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝረሐቕኩም ተመለሱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝገበራኦም ጣኦታት ብሩርን ጣኦታት ወርቅን ነፍሲ ወከፎም ኪድርብይዎም እዮም እሞ፡ ሽዑ ኣሶር ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ብናይ ሰብ ኣይኰነን፡ እቲ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ። ካብ ሰይፊ ድማ ኪሀድም እዩ፡ ኣጒባዙውን ገባር ኪዀኑ እዮም። ካብ ፍርሃት እተላዕለ እምባኡ ኺሐልፍ፡ መሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺፈርሁ እዮም፡ ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም። ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጻግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ። ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራን፡ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን። ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕል፡ ልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ። ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመን፡ መጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ። ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ኪዛረብ፡ ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብ፡ ልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ። መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲ፡ እኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ። ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ። ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ። ምጒናእ ዘቢብ ጠፊኡ፡ ምእራይ ፍሬታት ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ዓመትን ቅሩብ መዓልታትን ክትስምብዳ ኢኽን። ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተሸበራ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን፡ ራዕራዕ በላ፡ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፡ ሓቛቚኽን ድማ ተዐጠቓ። ስለዚ ጽቡቕ ሸዓብትን ስለቲ ፈረዪ ኣታኽልቲ ወይንን ኣፍ ልበን ኪወቕዓ እየን። ኣብ ምድሪ ህዝበይ፡ እወ፡ ኣብታ ሕጒስቲ ኸተማ ዘሎ ዂሉ ኣባይቲ ደስታ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪበቊል እዩ። ኣዳራሽ ኪሕደግ እዩ፡ እታ ሰባታእላው ዜብሉ ኸተማ ኽትጽሙ እያ፡ ዕርድን ግምብን ከኣ ንሓዋሩ በዓትታታን ሓጐስ ኣእዱግ ከደንን መጓስዪ መጋርያታትን ኪኸውን እዩ እሞ፡ መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዚከዐወና ከምዚ ኪኸኣን እዩ። ሽዑ ነቲ ምድሪ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ። ሽዑ ቕንዕና ኣብ ምድሪ በዳ ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ። ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ። ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ። ግናኸ ዱር ብበረድ ኪወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ። ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውን፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካ፡ ወይለኻ፡ ኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ኪጠልሙኻ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን። እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሀድሙ፡ ብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ። ኲብኲብታ ኸም ዚእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብ፡ ኣንበጣ ኸም ዚጐዪ ይጐይዎ ኣለው። እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ ኣሎ። ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ። እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ፡ ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው። መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዐቐ፡ ንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን። እታ ሃገር ሐዘነትን ሐስኤትን፡ ሊባኖስ ሐፈረትን ነቐጸትን፡ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ። እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዐል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል ኣሎ። ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩም፡ ዚበልዓኩም ሓዊ እዩ። ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዚብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ። ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ። ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡ ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ። ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን። ልብኻ፡ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ መዛኒ ኣበይ ኣሎ ግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ ኣሎ እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኺሐስብ እዩ። ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይበትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ። ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ፡ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደር፡ ዘይትዛናበል ድንኳን፡ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስ፡ ኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽ፡ ኪርእያ እየን። ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሐልፋን። እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ። ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ። ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐጊጉሉ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ። ቅቱላቶም ይድርበዩ፡ ሬሳታቶም ጺእ ይጨኑ፡ ኣኽራን ድማ ብደሞም ይመክኽ። ኲሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእ፡ ሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለል፡ ኲሉ ሰራዊቱውን ከምቲ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ፡ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ ኪረግፍ እዩ። ሴፈይ ኣብ ሰማይ ሰኺሩ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኤዶም፡ ኣብቲ ህዝቢ መርገመይ፡ ንፍርዲ ኺወርድ እዩ። እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ሃገር ኤዶም ድማ ብዙሕ ሕሩድ ኪገብር እዩ እሞ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተዐሊሱ፡ ብስብሕን ብደም ገናሽልን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ከኣ ተሰቢሑ ኣሎ። መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ። መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ። ወሓይዝ ናብ ቅጥራን፡ ሓመድ ኸኣ ናብ ዲን ኪልወጥ፡ ሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ኪኸውን እዩ። ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእን፡ ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ፡ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድም፡ ንዘለኣለም ሓድ እኳ ኣይሐልፋን። ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ይገብርዋ፡ ጒንጓን ኳዂን ይነብርዋ፡ ናይ ምብራስ ገመድ መስፈርን ናይ ምብዳም ሚዛን መለክዕን ይዝርግሓላ። ካብቶም ንምንጋስ ዚበቕዑ ጭዋታታ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኲላቶም መሳፍንታ ኸኣ ምናምን ይዀኑ። እሾዂ ኣብ ኣደራሻታ፡ ኣምዔን ተዀርባን ከኣ ኣብ ዕርድታታ ይበቊል፡ መሳፍሮ ወኻሩን መውዓል ሰገንን ትኸውን። ኣራዊት በረኻን ኣኽላባት መሮርን ኣብኣ ይራኸቡ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ይጻዋውዑ፡ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፡ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ። ተመን ኣብኣ ቤቱ ይገብር፡ እንቋቚሖኡ ድማ የውድቕ፡ ኣንቊሑ ንወለልዱ ኣብ ጽላሉ ይእክቦም፡ ኣብኣውን ኣሞራታት ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ይራኸቡ። ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዚእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን። ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዚእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን። በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። ኣጸቢቑ ኺዕምብብ፡ ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል፡ ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም። ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም፡ ኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼጽሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ፡ ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ። መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ፡ ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ፡ ንኣታቶም ጥራይ እያ፡ እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይኪጋገን፡ እዩ። ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣውን ኣይኪርከብን እዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ። እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኸልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሐዘን። ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖ፡ ብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ። ሽዑ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ። ረብሳቄ ኸኣ በሎም፡ ንህዝቅያስ በል፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን ኣሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ሻምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል ኣሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶር፡ ተዋራረድ፡ ንስኻ ዚቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይ፡ ገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ ኣሎኻ። ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ፡ ዝበለኒ። ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄ፡ ቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለው ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። ረብሳቄ ግና፡ ጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለኣኸኒ ናብቶም ውጽኣቶም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለው ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለኣኸኒ በለ። ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ስምዑ፡ እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል፡ ህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም። ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሀብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም። ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ ኣሎ ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዜኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ድሕርዚ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተው፡ ቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ። ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። ንኤልያቂም፡ ነቲ ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ነቶም ሽማግሌታት ካህናትን፡ ከሊ ብኽዱናቶም፡ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ለኣኾም። ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፡ ውሉድ ኪውለዱ ቐሪቦም ኣለው፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ዘለፋን ጸርፍን እያ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነተን ቃላት ናይቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ጐይታኡ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ዝለኣኾ ረብሳቄ ሰሚዑ ይህሉ፡ ስለ እዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዔን ቃላት ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍሲ ጸሎት ኣዕርግ። እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ። ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ በተን ሓሽከር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝጸረፉለን ንስኻውን ዝሰማዕካየን ቃላት ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ኪሰደሉ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ኸውድቖ እየ። ሽዑ ረብሳቄ ተመልሰ፡ ንጉስ ኣሶር ካብላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ። ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ዚብል ወረ ሰምዔ። እዚ ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብሉ ልኡኻት ናብ ህዝቅያስ ለኣኸ፡ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ እቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሀብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ። እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንብዘለዋ ኣጥፊኦምወን እዮም እሞ ንስኻ ዲኻ እትናገፍ ነቶማ ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ፡ እኒጎዛንን ሃራንን ሬጽፍን እቶም ኣብ ቴላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፡ ኣማልኽቶምንዶ ኣናጊፎምዎም እዮም ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ናይ ሃናእን ናይ ኢዋህን ኣበይ ኣለው ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፡ ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። ህዝቅያስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ። ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝንኻ ጽሎ እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርኤ፡ ነተን ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኸን ኲለን ቃላት ሰናክሬብ ስማዕ። ዎ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራትን ምድሮምን ከም ዘዕነውስ፡ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎም፡ ስራሕ ኢድ ሰብ፡ ዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም። ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና። ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዚብሎ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ትንዕቀካን ተላግጸልካን ኣላ፡ ጓል የሩሳሌም ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ። ንመን ኣባጮኻን ጸረፍካን ድምጽኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኣልዐልካ በዒንትኻስ ንመን ኣፋጠጥካሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ። ብሓሸክርካ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደይበ፡ ነቲ ጸጽቡቕ ኣጽሕዱን ነነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርጾ እየ፡ ናብቲ ላዕላይ ጫፍን ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበጽሕ እየ። ኲዒተ ማይ ሰቴኹ፡ ብኸብዲ ኣእጋረይ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸንጽፎ እየ። ነዚ ኻብ ቀደም ከም ዘዳሎኽዎ፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ከም ዝደኰንክዎ፡ ኣይሰማዕካን ዲኻ ሕጂውን ክፍጽሞ እየ፡ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ ኲምራ ዖናታት ክትገብረን ኢኻ። እቶም ኣብኤን ዚነብሩ ሰነፋን ሰምበዱን ሐፈሩን፡ ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልሙዕ ቈጽልን ከም ሳዕሪ ናሕስን ከምቲ ኸይበቘለ ዚሀጕጒ ዘርእን ኰነ። ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ምንዳርካን እገልጥ ኣሎኹ። ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነደርካ ድፍረትካውን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበጽሔ፡ ስለዚ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፡ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ክገብር እየ፡ በታ ዝመጻእካላ መገዲውን ክመልሰካ እየ። እዚ ኸኣ ምልክት ይኹነልካ፡ ሎምዘመን ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፡ ንዓመታ ኸኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡን ክትዐጽዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም። ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ። ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡ ፍላጻ ኸኣ ኣይኪውርውረላን፡ ብዋልታ መኪቱ ኣይኪቐርባን፡ ብቐጽሪውን ኣይኪኸባን እዩ። ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማይናይ ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኣይ ወቕዔ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ሬሳታት ጸንሕዎም። ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ድማ ነቒሉ ኸደ፡ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸኣ ተቐመጠ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድረሜሌክን ሳሬጽን ብሰይፊ ቐተልዎ፡ ናብ ምድሪ ኣራራት ከኣ ሀደሙ፡ ኤሳርሃዶን ወዱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። በቲ ዘመን እቲ ህዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዚዋላእ ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ከኣ ናብኡ መጺኡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሐውን ኢኻ እሞ፡ ብናይ ሓዳርካ ተላቦ፡ በሎ። ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቚባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ። ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቚባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ። ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መጸ፡ ኪድ እሞ ንህዝቅያስ ንገሮ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እንሆ፡ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ። ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፡ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፡ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ነዚ ዝበሎ ቓል ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ምልክት ይዂንካ፡ እንሆ፡ ነቲ ብምኽንያት ጸሓይ ኣብታ ናይ ኣካዝ መድረኽ ዝወረደ ጽላሎት መድረኽሲ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢለ ኽመልሶ እየ። ጸሓይ ከኣ በቲ ዝወረደቶ መድረኽ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት። ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሐወየ፡ ዝጸሐፎ ጽሕፈት፡ ኣነስ፡ ኣብቲ ጣዕሚ ዕድመይ ከሎኹ፡ ናብ ደጌታት ሲኦል እኸይድ፡ ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ እስእነን ኣሎኹ፡ በልኩ። ደጊም ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እየ፡ ምስቶም ኣብ ሲኦል ዘለው ሰብ ኰይነ፡ መሊሰ ሰብ ኣይክርእን እየ፡ በልኩ። ማሕደረይ ፈረሰት፡ ከም ድንኳን ጓሳ ኸኣ ካባይ ጐዐዘት፡ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣሎኹ፡ ንሱውን ካብ መዋጥር ኪቘርጸኒ እዩ፡ ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ። ክሳዕ ዚወግሕ ሀዳእኩ፡ ንሱ ግና ከም ኣንበሳ ንዂሉ ዓጻጽምተይ ሰባበሮ። ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ። ከም ለዃዂቶ፡ ከም ራዛ ጭቚጭቚ በልኩ፡ ከም ርግቢ ቘዘምኩ፡ ኣዒንተይ ላዕሊ ብምጥማት ተሐለላ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እጭነቕ ኣሎኹ፡ ዋሕሰይ ኩን። እንታይ እሞ ኽብል ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ገበሮ። ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዂለን ዓመታተይ ብህድኣት ክመላለስ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ በዚ ኸምዚ እዩ ብህይወት ዚነብር፡ ህይወት መንፈሰይ ከኣ በዚ ዂሉ እዩ። እምበኣርሲ ኣሕውየኒ ህይወትውን ምለሰለይ። እንሆ፡ እዚ ዓብዪ ምረት ንሰላመይ ኰነ፡ ንስኻ ንዂሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ ኻብ ጒድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ። ሲኦል ኣየመስግነካን፡ ሞት ኣይውድሰካን፡ እቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ብሓቅኻ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ እቲ ህያው፡ እቲ ህያው፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎኹ፡ የመስግነካ፡ ኣቦ ንውሉዱ ሓቅኻ ኼፍልጦም እዩ። እግዚኣብሄር እዩ ዘድሐነኒ፡ ስለዚ ብመዓልትታት ህይወትና ዂሉ ኣብ ቤት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዛሙረይ ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና። ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ። ህዝቅያስ ድማ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክድይብሲ ምልክቱ እንታይ እዩ በለ። በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክበላዳን፡ ወዲ በላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሐሚሙ ኸም ዝሐወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ። ህዝቅያስ ድማ ብኣታቶም ተሐጐሰ እሞ ነቲ ቤት መዝገቡ፡ ንብሩርን ወርቅን ቅዲትን ነቲ ኽቡር ዘይትታትን ንዂሉ ቤት መሳርያኡን ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝጸንሔ ዂሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ዂሉን ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓንቲ እኳ ኣይተረፈትን። ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እንታይ በሉ ካበይከ ናባኻ መጹ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ናባይ ዝመጹ እዮም፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ ኢሉ ሐተተ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮም፡ ካብቲ ኣብ መዛግበይ ዘሎ ዂሉ ሓንቲ እኳ ዘየርኤኽዎም የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኢሳይያስ ንህዝቅያስ በሎ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስምዓዮ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉ፡ ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት፡ ናብ ባቢሎን ዚወስዱለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነቶም ካባኻ ዚወጹ እትወልዶም ኣወዳትካ ኸኣ ኪወስድዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ውሽጠ ሓሽከር ኪዀኑ እዮም። ህዝቅያስ ከኣ ንኢሳይያስ፡ እቲ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ደጊሙ ኸኣ፡ በዘመነይሲ ሰላምን ደሓንን ደኣ ይኸውን፡ በለ። ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ። ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ። ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ ምስ መን ተማኸረ ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን። ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ። እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ። ኣእምሮ የብልኩምን እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተውውልኩምን መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ። ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም። ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም ይብል እቲ ቅዱስ። ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን። ኣትን ደሴታት፡ ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ፡ ህዝብታት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፡ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፡ ንዑ ሐቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ። ነቲ ብጽድቂ ናብ እግሩ ዝጸውዖ መን እዩ ኻብ ምብራቕ ዘተንስኦ፡ ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፈ ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ከኣ ኣግዝኦ፡ ንሴፎም ከም ተጐጓ፡ ንመንትጎም ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚቡቚ ገበሮ። ሰጒጒዎም፡ በታ ኣእጋሩ ከቶ ዘይረገጻኣ መገዲ ብደሓኑ ይሐልፍ ኣሎ። ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ እቲ ንወለዶታት ካብ ጥንቲ ዝጸውዔ ኣነ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳሕሮት ዘሎን እየ። ደሴታት ርእየን ፈርሃ፡ ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ፡ ቀረቡ መጹ ኸኣ። ኣጆኻ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈ፡ ንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻ፡ በለ። ጸራቢ ነቲ ኣምካኽ ፍሲ የፋጥኖ፡ በያዲ ኸኣ ነቲ ኣብ ወጻቓ ዚቕጥቅጥ ብናይ ምጥባቑ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እናበለ የፋጥኖ፡ ከይናቓነቕ ከኣ ብሽንካር የጽንዖ። ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብ፡ ዝሐሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ፡ ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምጻእኩኻ፡ ካብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጸዊዔ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ሓሬኹኻ ኣይነዐቕኩኻን ድማ፡ ዝበልኩኻ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ። እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም። ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣነ እየ ዝድግፈካ፡ ኣይትፍራህ፡ ተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ ሰረገላ መኼዳ ኽገብረካ እየ፡ ነኽራን ክሳዕ ዚድቈሱ ኸተኺዶም፡ ንዀረቢት ከኣ ከም ብቚቡቚ ክትገብሮም ኢኻ። ክትምስእዮም ኢኻ፡ ንፋስ ከኣ ኪወስዶም፡ ህቦብላውን ኪዘርዎም እዩ። ንስኻ ግና ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፡ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትሕበን ኢኻ። ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሐድጎምንን እየ። ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይ፡ ንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ። ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ። ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ። ክስኹም ንገሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ መርትዖኹም ኣምጽኡ፡ ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ። ይንገሩ፡ እስኪ ነቲ ዚመጽእ ይግለጹልና፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህልኹም፡ ምእንቲ ኽንሐስቦ ፍጻሜኡ ኸኣ ክንፈልጥሲ፡ እስኪ ንገሩና፡ ወይስ ነቲ ዚመጽእ ኣስምዑና። ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ንገሩና። ርኢናስ ሐቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸኣ፡ እስኪ ጽቡቕ ወይስ ክፋእ ግበሩ። እንሆ፡ ንስኻትኩም ከንቱ ኢኹም፡ ተግባርኩም ከኣ ብላሽ እዩ፡ እቲ ዚሐርየኩም ድማ ፍንፋን እዩ። ካብ ሰሜን ኣተንሳእክዎ እሞ መጸ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከኣ፡ ንሱውን ንሰማይ ይጽውዖ፡ ከምቲ ስራሕ መሬት ንጭቃ ዚረግጾ፡ ንሱ ኸኣ ንመሳፍንቲ ኸም መሬት ይረግጾም። ምእንቲ ኽንፈልጦን ንስኻ ጻድቕ ኢኻ ኽንብልንሲ፡ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ እዚ ዝነገረ መን እዩ ዚነግር የልቦን፡ ዜስምዓና የልቦን፡ ቃልኩም ዚሰምዕ ከኣ የልቦን። ቅድሚ ዂሉ ንጽዮን፡ እነውልኪ እቲኣቶም እዮም፡ ዝብል ንየሩሳሌም ከኣ ዘበስር ኣነ እየ። እንተ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተ ሐተትክዎም ድማ፡ ካብቶም መኻሮ ምላሽ ኪህብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። እንሆ፡ ኲላቶም ከንቱነት እዮም፡ ተግባሮም ከኣ ምናምን እዩ፡ እቲ ናይ ፍሲ ምስልታቶም ድማ ንፋስን ባዶን እዩ። እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን። እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሽሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሽሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ። እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ። ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ። በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ። እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ። ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ። ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ። እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ኪምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም። ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን። እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ። ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን። ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን። ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ። ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡ ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፡ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። ኣነ እየ ዝነገርኩ፡ ዘድሐንኩ፡ ዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣምላኽ እየ። ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩም፡ ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል ኣላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። ንህዝበይ፡ እቲ ሕሩየይ፡ ምእንቲ ኸስቲ፡ ማይ ኣብ በረኻ፡ ውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንን፡ ከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስ ጋናይ ኬዘንቱ እዩ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤ፡ ፋዕራይ ኣይገበርካን። ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን፡ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን። ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተሻየጥካለይን፡ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ። እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ። ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎም፡ ንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎ፡ ንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ። ደጊም ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣታ እስራኤል ከኣ ሕሩየይ፡ ስማዕ፡ እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ። ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡ ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቚሉ እዮም። እቲ ሓደ፡ ናይ እግዚኣብሄር እየ፡ ኪብል እዩ፡ እቲ ሓደ ኻልእ ብስም ያእቆብ ኪስመ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ኢዱ ኽጽሕፍ እዩ፡ ንስም እስራኤል ድማ መጸውዒ ኽብረት ኪገብሮ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን። ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ። ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን። እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም። ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም። ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል። ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ። ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቊሎ። እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ። እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣሎኹ፡ ይብል። ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን። እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ። ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤልውን፡ ባርያይ ኢኻ እሞ እዚ ዘክር፡ ኣነ ደኰንኩኻ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ዎ እስራኤል፡ ብኣይሲ ኣይክትርሳዕን ኢኻ። ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ገመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ። እግዚኣብሄር እዩ ዝገበሮ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ እስራኤል ገሊጹ እዩ እሞ፡ ኣቱም መዓሙቚ ምድሪ፡ ብታሕጓስ ጨድሩ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ኣታ ዱር ምስ ኲሉ ኣእዋምካ፡ ዓው ኢልኩም ዘምሩ። እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡ ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ፡ ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም፡ ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶም፡ ንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡ ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ፡ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኪነብርዋ፡ ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ፡ ኪህነጻ፡ ኣነውን ንዖናታተን ከተንስኦ እየ፡ ዚብል፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ፡ ንጻፍ፡ ንርባታትካውን፡ ኣነ ኸንጽፎም እየ፡ ዚብል፡ ብዛዕባ ቂሮስ፡ ንሱ ጓሳይ እዩ፡ ንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውን፡ ክትስረት እያ፡ ዚብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ ኣሎ፡ ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡ ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ፡ ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ። ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ። ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሀብኩኻ። እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን። እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን። ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፡ ደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩ፡ ጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ እቲ ነቦ፡ እንታይ ትወልድ ንስኻ ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲ ዚብል ወይለኡ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡን፡ ከምዚ ይብል፡ ብናይ እቲ ዚመጽእ ሕተቱኒ፡ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ። ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ። ነዚ ብጽድቂ ዘተንሳእክዎ ኣነ እየ፡ መገድታቱ ዂሉ ድማ ከጣጥሓሉ እየ፡ ንሱ ብዘይ ምፍዳይን ገጸ በረኸትን ንኸተማይ ኪሰርሓ፡ ንምሩኻተይ ከኣ ኪመልሶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ጻዕሪ ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ፡ ብመቐውሕ ድማ ኪሐልፉ እዮም እሞ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ፡ ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን፡ እናበሉ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን ኪልምኑኻን እዮም። ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ። እቶም ጣኦታት ዚገብሩ ዂሎም ኪሐፍሩን ኪደሀሉን፡ ብሓደ ነዊሮም ኪኸዱን እዮም። እስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን ብእግዚኣብሄር ኪድሕን እዩ። ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለም ኣይክትሐፍሩን ኣይክትደሀሉንውን ኢኹም። እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። ብሕቡእ፡ ኣብ ስፍራ ዝጸለመተ ምድሪ ኣይተዛረብኩን፡ ንዘርኢ ያእቆብ፡ ብኸንቱ ድለዩኒ፡ ኣይበልኩን። ኣነ እግዚኣብሄር ጽድቂ ዝዛረብ፡ ቅንዕና ዘውሪ እየ። ኣቱም ካብ ህዝብታት ዘምለትኩም፡ ተኣከቡ፡ ንዑ፡ ብሓደ ቕረቡ፡ እቶም ንዕጨይቲ ጽሩብ ምስልታቶም ዚጾሩ ኬድሕን ንዘይከኣሎ ኣምላኽ ዚልምኑን ኣእምሮ የብሎምን። እስከ ንገሩ፡ ቅረቡ፡ ብሓደውን ይምከሩ፡ ካብ ጥንቲ እዚ ነገር እዚ መን ኣስምዔ ካብ ቀደም ዝነገረኸ መን እዩ ኣይኣነ እግዚኣብሄር እንዶ እየ ዝገበርክዎ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ ብጀካይ ከቶ የልቦን። ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ ከኣ የልቦን እሞ፡ ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዂላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሐኑውን። ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ፡ ኢለ ብርእሰይ መሐልኩ። ብዛዕባይ ከኣ፡ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ኪበሀል እዩ። ናብኡ ኺመጹ እዮም፡ እቶም ነዲሮምሉ ዝነበሩ ዂላቶም ከኣ ኪሐፍሩ እዮም። ዘርኢ እስራኤል ኲሉ ብእግዚኣብሄር ኪጸድቕን ኪሕበንን እዩ። ቤል ይደንን፡ ኔቦ ይጒምበስ፡ ጣኦታቶም ናብ እንስሳን መጽዓኛን ይጸዐን፡ እቶም ዘዘርኩምዎም ነቲ ድኹም መጽዓኛ ከቢድ ጾር ኰይኖም ተጻዕንዎ። ተጐምበሱ፡ ብሓደ ደነኑ፡ ነቲ ጾር ኬድሕንዎ ኣይከኣሉን፡ ንርእሶምውን ተማረኩ። ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡ ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ። መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ኢኹም ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱ፡ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን። ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውም፡ ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን። ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ አነ እየ። ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ፡ ነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ። ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሐቕኩም ተረርቲ ልቢ፡ ስምዑኒ፡ ጽድቀይ ኤቕርብ ኣሎኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ምድሓነይ ከኣ ኣይድንጒን፡ ምድሓን ኣብ ጽዮን፡ ክብረይውን ንእስራኤል ክህብ እየ። ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ፡ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ። መጥሓን ሐዚ እሞ ሓርጭ ጥሐኒ፡ ጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዚብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ። ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤ፡ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዚገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኣግልሲ። ኣብ ህዝበይ ኰሬኹ፡ ርስተይ ፈንፈንኩ፡ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሀብክዎም። ንስኺ ኣይምሐርክዮምን፡ ኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ። ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ ብናይ መወዳእታውን ከይሐሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ጊዜ እትየ እየ፡ በልኪ። እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡ ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔ፡ ብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን። ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ። ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ። ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ። ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን። ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ብስም እስራኤል እትስመዩ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ኸኣ ዝፈልፈልኩም፡ ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ እትውድሱ ዘሎኹም፡ እዚ ስምዑ፡ በታ ቅድስቲ ኸተማ ስለ እተሰምዩ፡ ኣብ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ እተጸግዑ እዮም። እቲ ሕሉፍ ኣቐዲመ ነገርኩ፡ ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣስማዕኩኹም፡ ብድንገት ገበርክዎ፡ ኰነ ኸኣ። ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግንባርካውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስለዚ፡ ጣኦተይ እዩ ዝገበሮ፡ እቲ ጽሩብን ፍሱስን ምስለይ እዩ ዝኣዘዞ፡ ከይትብልሲ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፡ ከይኰነ ኸኣ ኣስማዕኩኻ። ነዚ ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንዂሉውን ጠምቶ፡ ንስኻትኩምሲ ኣይተውርይዎንዶ ኢኹም ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሓድሽን ሕቡእን ዘይፈለጥካዮን ነገር ከስማዓካ እሮአ። ሕጂ ተፈጥራ እምበር፡ ቀደም ኣይኰነን፡ ንስኻ፡ ነዝስ እፈልጦ ነይረ፡ ምእንቲ ኸይትብል፡ ቅድሚ ሎሚ ኣይሰማዕካዮን። ኣይሰማዕካን፡ ኣይፈለጥካን፡ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፍተን። እዚ ኸኣ ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማሕጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ገበነኛ ኢሎም ከም ዚሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ። ስለ ስመይ ኢለ ቊጥዓይ ኤደንጒ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣሎኹ። እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዐዘብኩኻ። ስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሐድጎ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻውን ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስማዓኒ፡ ንሱ ኣነ እየ፡ ቀዳማይ ኣነ እየ፡ ዳሕራይውን ኣነ እየ። ኢደይ ምድሪ ሰረተት፡ የማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሔት፡ ምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ። ኲላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፡ ካባታቶምከ እዚ ዝገበረ መን እዩ እቲ እግዚኣብሄር ዜፍቅሮ ንፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ኪፍጽሞ እዩ፡ ቅልጽሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ኪኸውን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እተዛረብክዎን ዝጸዋዕክዎን፡ ኣነ እየ ዘምጻእክዎ እሞ መገዱ ኺሰልጠሉ እዩ። ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ስምዑ፡ ካብ መጀመርታ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፡ ካብቲ ዝዀነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኣኡ ኣሎኹ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍኤን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰስን ነይሩ። ካብ ባቢሎን ውጹ፡ ካብ ከለዳውያን ጽለቑ፡ ብድምጺ እልልታ ንገሩ፡ ኣውጁ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣውርዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተበጅይዎ፡ በሉ። ብምድረ በዳ ኺመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን፡ ማይ ካብ ከውሒ ኣውሐዘሎም፡ ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ። ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፡ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ህዝቢ፡ ጽን በሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ። ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮ፡ ኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሐብኣኒ፡ ስሑል ፍላጻ ገበረኒ፡ ኣብ ጒልድባኡውን ከወለኒ፡ ኣታ እስራኤል ኣነ ዝኸብረሉ ባርያይ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ከኣ በለኒ። ኣነ ግና፡ ብኸንቱ ጸዐርኩ፡ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩ፡ ግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ እዩ፡ በልኩ። እምበኣርሲ እቲ ኣነ ባርያኡ ክኸውን፡ ንይእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ንእስራኤልውን ናብኡ ኽእክቦ ኢሉ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነኒ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ ኣነስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር እየ፡ ኣምላኸይ ከኣ ሓይለይ ኰነ፡ እወ፡ ንሱ ይብል፡ ንነገድ ያእቆብ ንምትንሳእ፡ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ንምምላስ፡ ባርያይ ምዃንካ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ምድሓነይ ክሳዕ ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡ ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ። ነቲ ሰብ ዝነዐቖ፡ ህዝብታት ዝፈንፈንዎ ባርያ ገዛእቲ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊ እስራኤልን ቅዱስን፡ ስለቲ እሙን እግዚኣብሄርን ስለቲ ዝመረጸካ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኢሎም ነገስታት ርእዮም ኪትንስኡ፡ መሳፍንቲውን ኪሰግዱ እዮም፡ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። ንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። ንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም። እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ፡ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም፡ ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ። ንዂሉ ኣኽራነይ መገዲ ኽገብሮ እየ፡ ጽርግያታተይ ከኣ ልዕል ኪብል እዩ፡ እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡ እዚኣቶም ከኣ ካብ ሃገር ሲኒም ይመጹ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዔ፡ ንሽጉራቱውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ተሐጐሲ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ እልል እናበልኩም ጨድሩ። ጽዮን ግና፡ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ፡ በለት። ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ። ውሉድኪ ቐልጢፎም ይመጹ፡ መፍርስትኺን መጥፋእትኽን ይወጹልኪ። ዓይኒኺ ቚሊሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ፡ ኲላቶም ተኣኻኺቦም ናባኺ ይሙጹ ኣለው። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንዂላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ ከም መርዓት ከኣ ክትወናዘፍዮም ኢኺ። ኣብቲ ዑናኽን ዝባደመ ቦታኽን፡ ኣብቲ ዝጠፍኤ ምድርኽን ሕጂ ብርግጽ ነቶም ዚነብሩኺ ኽትጸብዮም ኢኺ፡ እቶም ዝወሐጡኺ ድማ ኪርሕቁ እዮም። እቶም ጠፊኦም ዝነበሩ ውሉድኪ ኸኣ፡ ስፍራ ጸቢቡኒ፡ ክነብረሉ ዀታ ኣርሕብለይ፡ ኢሎም ኣብ እዝንኺ ኺዛረቡኺ እዮም። ሽዑ ብልብኺ፡ ነዚኣቶም መን ወለደለይ ኣነ ውሉደይ ዝጠፍኡኒ መኻን ምርኽትን ስጉጒትን ዝነበርኩስ፡ ነዚኣቶም መን ኣዕበዮም እኔኹ፡ በይነይ ተሪፈ ነበርኩ፡ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ ክትብሊ ኢኺ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕል፡ ንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪ፡ ነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡ ነገስታት ከኣ መዕበይትኺ፡ ንግስትታቶም ድማ መጒዚታትኪ ኪዀኑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡ ተጐጓ እግርኺውን ኪልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፡ እቶም ዚጽበዩኒ ድማ ከም ዘይሐፍሩን፡ ክትፈልጢ ኢኺ። ንጅግናዶ ነቲ ዝዘረፎ የግድፍዎ እዮም ወይስ እቲ እተማረኸ ጻድቕዶ የምልጥ እዩ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምሩኻት እቲ ጅግና እኳ ኺዝረፉ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨካን ከኣ ኪምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ። ንጠቓዕትኪ ስጋ ርእሶም ከብልዖም እየ፡ ብደም ርእሶም ከኣ ከም ብዀልዒ ወይኒ ኺሰኽሩ እዮም፡ ኲሉ ስጋ ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተበጃዊኽን፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ምዃነይ ኪፈልጥ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት። ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሔ ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ። ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖ፡ መጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ። ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን። ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ። እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒ ብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይ ይቕረበኒ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዚዂንነኒ ደኣ መን እዩ እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኺበልዩ፡ ብልዒውን ኪበልዖም እዩ። ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዚሰሞ መን እዩ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ። እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም። ኣቱም ንጽድቂ እትስዕቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ እትደልዩ፡ ጽን በሉኒ፡ ናብቲ እተፈንጫሕኩምሉ ኸውሕን፡ ናብታ እተዀዐትኩምላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ። ሓደ በይኑ ኸሎ፡ ጸዊዔዮን ባሪኸዮን ኣብዚሔዮን እየ እሞ፡ ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምን፡ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ኣስተብህሉ። እግዚኣብሄር ንጽዮን ኬጸናንዓ፡ ንዂሉ ዑናታታ ኼጸናንዕ፡ ንምድረ በዳኣ ኸም ገነት፡ ንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ኪገብሮ እዩ እሞ፡ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ። ሕጊ ኻባይ ይወጽእ፡ ብርሃን ህዝብታት ኪኸውንሲ፡ ፍርደይ ከንብር እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣድህብ፡ ኣታ ዓሌተይ፡ ጽን በለኒ። ጽድቀይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዱ፡ ደሴታት ኪትስፈዋኒ፡ ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ኪውከላ እየን። ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ። ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስማዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ። ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስማዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ። ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄር፡ ንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካ፡ ንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቚ ማያት፡ ዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ኪሐልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ ኣሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ እሱር ቀልጢፉ ኺፍታሕ፡ ኣይኪመውትን ኣይኪቕበርን፡ እንጌራውን ኣይኪስእንን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንባሕሪ፡ ማዕበላ ኽሳዕ ዚሀምም፡ ኤናውጻ፡ ስሙውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ኸኣ ክስርታ፡ ንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፡ ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ። ኣቲ፡ የሩሳሌም፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ጽዋእ ነድሩ ዝሰቴኺ፡ ነቲ ዜስክር ጽዋእ ዝሰቴኽዮን ዝጨለጥክዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ተንስኢ። ካብ ኲሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፡ ካብ ኲሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዝ የልቦን። እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፡ መን እሞ ኺርሕርሓልኪ እዩ ጥፍኣትን ምብራስን፡ ጥሜትን ሰይፍን እንሆልኪ። ከመይ ገይረ ኸጸናንዓኪ እየ ውሉድኪ ዛሕ ኢሎም፡ ከም ድንኩላ ኣብ መፈንጠራ ኣብ ኲሉ ቐራና መገድታት በጥ በሉ። ቊጥዓ እግዚኣብሄርን መግናሕቲ ኣምላኽክን መልኦም። ስለዚ፡ኣቲ ሽግርቲ፡ ብወይኒ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣቲ ስኽርቲ፡ ነዚ ስምዒ፡ እግዚኣብሄር ጐይታኺ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዚጣበቕ ኣምላኽኪ፡ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ነቲ ጽዋእ ስኽራን፡ ነቲ ጽዋእ ቊጥዓይ፡ ካብ ኢድኪ ወሰድክዎ፡ ድሕርዚ ኣይክትሰትይዮን ኢኺ። ኣነ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ብኣኺ ኣቢልና ኽንሳገርሲ ተጐምበሲ፡ ዝበልዋ፡ መሸገርቲኺ ኽህቦ እየ፡ ንስኺ ድማ ዝባንኪ ነቶም ሐለፍቲ ኸም ምድሪ፡ ከም መገዲ ገበርክሎም። ድሕሪ ሕጂ ዘይተገዝረን ርኹስን ኣባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡ ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ተጐጓኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ብኸምኡ ተሸጥኩም፡ በዘይ ገንዘብ ከኣ ክትብጀው ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ህዝበይ ምእንቲ ኣብኣ ኺነብር፡ ቀደም ናብ ግብጺ ወረደ፡ ኣሶር ከኣ ብዘይ ምኽንያት ጠቕዖ። ህዝበይ ብዘይ ምኽንያት ካብ ዚማረኽ፡ ሕጂ ኣብዚ እንታይ ኣሎኒ ይብል እግዚኣብሄር፡ ገዛእቲ ኸኣ ይጭድሩ፡ ስመይውን ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ይጽረፍ ኣሎ። ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን። እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሐቢሮም እልል ኪብሉ እዮም። ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ፡ ብሓጐስ እልል በላ፡ ሐቢርክን ኣመስግና። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን። ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል ውጹ፡ ንጽሁ። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ኪኸይድ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብታህዋኽ ኣይክትነቕሉን፡ ብምህዳም ከኣ ኣይክትግስግሱን ኢኹም። እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ። ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሐመቐ። ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ኪርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ኬስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪሕዙ እዮም። ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደሉ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ። ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ። ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ። ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ። ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል ኣሎኹ። ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር። ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ። እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም። እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፡ ኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ። ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተትፍኡሉስ ስለምንታይ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑ፡ ስምዑ፡ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ። እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸኣን ሀብክዎ። እንሆ፡ ንዘይትፈልጣ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኺጐዪ እዩ። ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለሱ፡ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ። ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ። ብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም። ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቊል እዩ፡ እዚውን ንእግዚኣብሄር ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምድሓነይ ኪመጽእ፡ ጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሐልው ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ ብእኡ ዚጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዚጥንቀቕ፡ እከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ። ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ፡ ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡ ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለው እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል ኣሎ። ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ። ሐለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሐልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው። ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ። ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኤረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ኪኸውን እዩ፡ ይብሉ። ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን። ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ። ግናኸ ኣቱም ደቂ ጠንቋሊት፡ ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን፡ ናብዚ ቕረቡ። ንመን ኢኹም እተባጭውሉ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን ንመን ኢኹም እተባጭውሉ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን እቲ ልሙጽ ኣእማን ርባ እዩ ግዴኺ፡ ንሱ፡ ንሱ እዩ ብጽሒትኪ፡ ንእኡውን መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሉ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረብክሉ፡ ኣነዶ በዚ እሕጐስ እየ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ከረን መደቀሲኺ ኣዳሎኺ፡ ኣብኡ ድማ መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውኢ ደየብኪ። ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፡ ንኣይ ሐደግኪ፡ ንኻልእ ተቐንጢጥኪ ደየብክሉ፡ንመደቀሲኺውን ኣርሐብክዮ፡ ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቶኺ፡ ኣብቲ ዝርኤኽዮ ቦታ ዂሉ መደቀሲኦም ፈቶኺ። ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፡ ቅዲትኪ ኸኣ ኣብዛሕኪ፡ ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፡ ክሳዕ ሲኦል ተዋረድኪ። ብምርሓቕ መገዲ ደኸምኪ፡ ግናኸ፡ ተስፋ ቐቢጸስ፡ ኣይበልክን። መሊስኪውን ኣብ ኢድኪ ሓይሊ ረኸብኪ፡ ስለዚ ኣይተሐለልክን። እትጠልምን ዘይትዝክርንን፡ ኣብ ልብኺ ዘይትሐስብዮንሲ፡ መን እዩ ዘሰምበደክን ዘፍርሃክን ኣነዶ ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኣይበልኩን እየ ስለዚ ኸኣ ኣይፈራህክንን። እምበኣር ኣነስ ጽድቅኽን ግብርኽን ክነግር እየ፡ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመክን እዩ። ምስ እተእውዪ፡ እቶም እኩባትኪ የድሕኑኺ፡ ግናኸ ንፋስ ንዂላቶም ኪወስዶም፡ ጸለውታ ንፋስ ከኣ ኪጸርጎም እዩ። እቲ ናባይ ዚጽጋዕ ግና ነቲ ሃገር ኪግንዘቦ ነቲ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኪወርሶ እዩ። ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ፡ ኪበሀል እዩ። ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ። ንዘለኣለም ኣይክብኣስን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቚጥዕን እየ። እንተ ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሐለላ። ብሰሪ ኣበሳ ንፍገቱ እየ እተቘጣዕኩን ዝወቓዕክዎን፡ ተሐባእኩ፡ ተቘጣዕኩ ድማ፡ ንሱውን ዓልዩ ብመገዲ ልቡ ኸደ። መገድታቱ ርኤኹ፡ ከሕውዮን ክመርሖን እየ፡ ንእኡን ንጒህያቱን ከኣ ምጽንናዔይ ክመልሰሎም እየ። ኣነ ፍረ ኸናፍር እየ፡ ሰላም፡ ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን፡ ኣነውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ። ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መኦኣረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ። እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ። ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ። ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው። እንቋቚሖ ገበል ይሐቚፉ፡ ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዚበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቊሕ። ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይኪኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ ኣሎ። ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም ኣሎ። ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን። ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሐቐ፡ ጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና። ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዜብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና። ኲላትና ኸም ድብታት ንሀብብ፡ ከም ረገቢት ንቚዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ። ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። ገበንና ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡ ካብ እግዚኣብሄር ዐሎና ኽሐድናዮውን፡ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሐጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብና፡ ዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ። ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፡ ጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣቱ ኣይተኻእሎን። እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ። ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦ፡ ጽድቁውን ደገፎ። ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእተወ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ፡ ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ። ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፡ ኲራ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ፡ ንደሴታትውን ፍዳ ኺህብ እዩ። እምበኣርሲ ስም እግዚኣብሄር ካብ ምዕራብ፡ክብሩ ኸኣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪፍራህ እዩ። ጸላኢ ኸም ውሒዝ ደሪኹ እንተ መጸ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ኪሰጎ እዩ። ንጽዮንን ነቶም ካብ ምዕላዎም ናብ ያእቆብ ዚምለሱን ተበጃዊ ኺመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን፡ እተን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክወን ቃላተይን ካብ ኣፍካ ወይስ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅካ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ። ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም። ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባ፡ ድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ። እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስ፡ መራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን። ብዂራይ ወቒዔኪ፡ ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ፡ ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም። እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ። እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ። ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም። ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ። ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ። ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ። ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንዴጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ኽትሰምይየን ኢኺ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን፡ ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ። ኲሎም ህዝቢ ብዘለው ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይ፡ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም። እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ። ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ። ጽድቂ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡ ምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል፡ ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይክዐርፍን እየ። ኣህዛብ ንጽድቅኺ፡ ኲሎም ነገስታት ከኣ ንኽብርኺ ኺርእዩ እዮም፡ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ክትስመዪ ኢኺ። ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ። ድሕርዚ ሕድግቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸምጸም በረኻ ኣይክትበሀልን እያ። እግዚኣብሄር ባህ ኢሉልኪ፡ ሃገርኪ ድማ ሔምኣ ረኺባ እያ እሞ፡ ንስኽስ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ፡ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ኽትበሀል እያ። ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ ከምኡ ደቅኺ ኺምርዐውኺ እዮም እሞ፡ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ ከምኡ ኣምላኽኪ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ። ዎ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ ኣሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ። ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ። እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም። እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም። ሕለፋ፡ ብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ፡ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣወጀ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ ምድሓንኪ ይመጽእ ኣሎ፡ እንሆ፡ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፡ ዓስቡ ኸኣ ቀቅድሚኡ እዩ፡ በልዋ። ንሳቶም ድማ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም። ንስኺውን እትበሀግ፡ ዘይትሕደግ ከተማ ኽትበሀሊ ኢኺ። እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸ፡ ብሓይሊ ጒልበቱ ዚሽነን፡ ካብ ኤዶም፡ ካብ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዚመጽእ መን እዩ ኣነ እየ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ ንምድሓን ስልጡን። ስለምንታይ ክዳንካ ቔሔ ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ናይ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ። መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ። ግልጽ በልኩ፡ ሓጋዚ ኸኣ ኣይነበረንን፡ ዚድግፈኒ ስለ ዘይተረኽበ ኸኣ ተዐነድኩ። ሽዑ ቕልጽመይ ኣድሐነኒ፡ ነድረይ ከኣ ደገፈኒ። ብዂራይ ንህዝብታት ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ኣስከርክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዂዖኹ። ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ። ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ። ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሐኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሐለፈ ዘመናት ኲሉ ጊዜ ሐንገሮምን ሐዘሎምን። ንሳቶም ግና ዐለው፡ ንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሀዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም። ሽዑ ንሱ ንዘመን ቀደምን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፡ እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሴኡ ኻብ ባሕሪ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ እቲ ንቅዱስ መንፈሱ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ፡ እቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዐንቀፈ ኣብ መዓሙቚ ዝመርሖም ኣበይ ኣሎ ከብቲ ናብ ለሰ ኸም ዚወርዳ፡ ከምኡ መንፈስ እግዚብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብጽሖም፡ ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲ፡ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም። ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ ኣሎ ርሕራሔ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ። ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና፡ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ እስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሐደግካና ስለምንታይ ኢኻ ስለ ባሮትካ፡ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። እቲ ቅዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ዘመን ጥራይ ተረስተየ፡ ጸላእትና ንመቕደስካ ረገጽዋ። ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣሎና። መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፡ ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ነነይ ምበሉ፡ ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ ሓዊውን ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ኪብሉስ፡ ዘይተጸቤናዮ ዜገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፡ ወረድኻ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ነነይ በሉ። ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረኣየቶን። ነቲ ተሐጒሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝክሩኻ ትቃባበሎም። እንሆ፡ ንስኻ ዀሬኻ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ብእኡ ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ንድሕን ዶዀን ንኸውን ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቊጸና ኣሎ። ገጽካ ኸዊልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዚጽውዕን ንኣኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚትንስእን ሓደ እኳ የልቦን። ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና። ዎ እግዚኣብሄር፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፡ ኣበሳውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። እንሆ፡ ጠምት፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ኲልና ህዝብኻ ኢና። እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን፡ ጽዮን በረኻ ዀይና፡ የሩሳሌም ዖንያ። እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስገኑላ ቅድስትን ክብርትን ቤትና ብሓዊ ነደደት፡ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ። ዎ እግዚኣብሄር፡ በዚ ነገር እዚዶ ኽትዘሐጥ ኢኻ ስቕ ክትብል እሞ እምብዛዶ ኸተጨንቕና ኢኻ እቶም ግደይ ዘይገብሩ ደለዩኒ፡ እቶም ዘይደለዩኒ ድማ ረኸቡኒ። ነቲ ብስመይ ዘይተሰምየ ህዝቢ ኸኣ፡ እኔኹ፡ እኔኹ፡ በልክዎ። ነቲ ሰናይ ብዘይኰነት መገዲ ደድሕሪ ሓሳብ ርእሱ ዚመላለስ ዓለወኛ ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩሉ። እቲ መመሊሱ ኣብ ቅድመይ ዜዀርየኒ ህዝቢ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ዚስውእ፡ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከኣ ዕጣን ዚዐጥን፡ ኣብ መቓብራት ዚሰፍር፡ ኣብ ጻሕሉ ኸኣ ርኹስ ምግቢ ዘለዎ፡ እቲ፡ ካብኻ ኣነ ኣዝየ ቅዱስ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኣይትቕረበኒ፡ ዚብል ህዝቢ፡ እዚ ኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊ እዮም። እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ እወ፡ ንኣበሳኹም ምስኡውን ንኣበሳ ኣቦታትኩም ኣብ ሕቚፎም ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ኣኽራን ዕጣን ዐጠኑ፡ ኣብ ኲድዂዶታት ከኣ ጸረፉኒ፡ ስለዚ ኣቐዲመ ግብሮም ኣብ ሕቚፎም ክሰፍረሎም እየ። እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ እወ፡ ንኣበሳኹም ምስኡውን ንኣበሳ ኣቦታትኩም ኣብ ሕቚፎም ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ኣኽራን ዕጣን ዐጠኑ፡ ኣብ ኲድዂዶታት ከኣ ጸረፉኒ፡ ስለዚ ኣቐዲመ ግብሮም ኣብ ሕቚፎም ክሰፍረሎም እየ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ከምቲ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ዘለላ ምስ ዚርከብ፡ በረኸት ኣልዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ፡ ዚበሀል፡ ኣነውን ንዂላቶም ከየጥፍኦምሲ፡ ስለ ባሮተይ ኢለ ኸምኡ ኽገብር እየ። ካብ ያእቆብ ዘርኢ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ወራስ ኣኽራነይ ከውጽእ እየ። ሕሩያተይ ኪወርስዋ፡ ባሮተይ ከኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም። ነቲ ዝደለየኒ ህዝበይ ከኣ ሳሮን መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ ለሰ ኣኮርውን መደቀሲ ከብቲ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር እትሐድጉ፡ ንቅዱስ ከረነይ እትርስዑ፡ ንጋድ መኣዲ እትሰርዑሉ፡ ንሜኒ ኸኣ ወይኒ እተስልፍዎ፡ ጻዋዕኩኹም፡ ኣይመለስኩምን፡ ተዛረብኩ፡ ጽን ድማ ኣይበልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም፡ ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሐሪኹም ኢኹም እሞ፡ ኣነ ንሰይፊ እምድበኩም፡ ኲላትኩምውን ንማሕረዲ ኽትጒምበሱ ኢኹም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሰትዩ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም። እንሆ፡ ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ፡ ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ፡ መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ፡ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም። ስምኩም ድማ ኣብቶም ሕሩያተይ ንመራገሚ ኽትሐድጉ ኢኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪቐትለካ እዩ፡ ንባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ኪሰምዮም እዩ፡ እቲ ናይ ቀደም ጸበባ ተረሲዑ፡ ካብ ኣዒንተይ ድማ ተሰዊሩ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሰይ ኣብ ምድሪ ዚባርኽ፡ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚባርኽ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዚምሕል ከኣ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚምሕል። እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ እንሆ፡ የሩሳሌም ንእልልታ፡ ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ፡ በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ። ኣነ ድማ ብየሩሳሌም እልል ክብል፡ ብህዝበይውን ደስ ኪብለኒ እዩ፡ ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ድሕርዚ ኣብኣ ኣይኪስማዕን እዩ። ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ይመውት፡ ሓጢኣተኛ ኸኣ ሚእቲ ዓመት ምስ ገበረ እዩ ዚርገም እሞ፡ ድሕርዚ ሓጺር ዝዕምሩ ሕጻንን ዕድሚኡ ዝየብጽሔ ኣረጊትን ኣይኪርከብን እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም፡ ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ፡ ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን፡ ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኺዛረቡ ኸለው ኸኣ ክሰምዕ እየ። ተዂላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም፡ ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡ ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። እቲ ብዕራይ ዚሐርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሐረዩ፡ ነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛረቢ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ። ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበር፡ ይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም። ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ ኣሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዚፈዲ እግዚኣብሄር እዩ። ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ ይብል ኣምላኽኪ። ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግብን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግብን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም። ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኺሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዚጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኺውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ኪቚጥዖም እዩ። ኲራኡ ብነድሪ፡ መግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺፈዲ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኺመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ኪዀና እየን። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ኪፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዚቐትሎም ብዙሓት እዮም። እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ኪኸዱ ንነፍሶም ዚቕድሱን ዜጽርዩን፡ ስጋ ሓሰማን ፍርንፋንን ኣናጹን ዚበልዑ ዂሎም ብሓደ ኺጠፍዥኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ኪመጹን ክብረተይ ኪርእዩን እዮም። ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዚውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓ፡ ክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ እዮም። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፡ ብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ካህናትን ሌዋውያንን ዚዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን፡ ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም። ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር መጸ። ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር ኣሎኹ፡ ርኤ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ። ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ፡ በለኒ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ። እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም። ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱን፡ ፍርደይ ክነግሮም እየ። እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናባይ መጸ፡ ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ጨድር፡ ፍቕሪ ንእስነትክን፡ መርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዐብክኒ፡ እዝክረልኪ ኣሎኹ። እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቱም ቤት ያእቆብ፡ ኲላትኩም ከኣ ዓሌት ቤት እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ዝሰዓቡ፡ ንርእሶምውን ከንቱነት ዝዀኑስ እንታይ ዓመጻ ረኸቡለይ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ዘውጽኣና፡ ብበረኻ፡ ብምድሪ ጽምዋን ድንጒርን፡ ብምድሪ ኣጻምእን ድነ ሞትን፡ በቲ ሓደ እኳ ዘይሐልፎን ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና እግዚኣብሄርሲ ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን። ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግማ ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ። ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ። ስለዚ ገና ኽካትዓኩም እየ፡ ምስ ደቂ ደቅኹም እኳ ኽካታዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ ደሴታት ኪቲም ተሳገሩ እሞ ርኣዩ፡ ናብ ቄዳር ልኣኹ እሞ ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፡ ከምዚ ዘመሰለ ከቶ ዀይኑ እንተ ዀነ ድማ ጠምቱ። ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲ፡ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ። ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እስራኤልሲ ባርያዶ እዩ ወይስ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ዶዀን እዩ ስለምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፡ ደሃዮም ኣስምዑ፡ ምድሩ ኸኣ ኣዕነው። ከተማታቱ ነደዳ፡ ዚነብረለን ድማ የልቦን። ደቂ ኖፍን ታህፋኔስን ቅርቅርትኻ ፈገጹ። እዚ ዝወረደክስ ነቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመርሓኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ስለ ዝሐደግኪዶ ኣይኰነን ሕጂኸ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ ኣብቲ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ ወይስ ካብቲ ወሓዚ ርባ ኽትሰትዪ፡ ኣብቲ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገድስ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሐጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ ኣይረኸስኩን፡ ደድሕሪ በዓል ኣይሰዐብኩን፡ እትብሊ ዘሎኺ ስጓሞኺ ናብቲ ለሰ ተመልከቲ፡ ዝገበርክዮ ዘክሪ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም እትፋንን ገመል ኰንኪ። በረኻ ኸም ዝለመደት፡ ከም ድሌታ ንንፋስ ፊንፊን እትብል፡ ሓደ እኳ ባህጋ ኪኽልክል ዘይኽእል ኣድጊ ኸደን፡ ከምኡ ዀንኪ። ዚደልይዋ ዂላቶም ብጒያ ኣይደኽሙን፡ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ። እግርኺ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ ጐረሮኺ ድማ ካብ ምጽማእ ተጠንቀቒ። ንስኺ ግና፡ ጓኖት ፈትየ ኣሎኹ፡ ደድሕሪኦም ክስዕብ እየ እሞ፡ እዝስ እኳ ኣይኸውንን እዩ፡ በልኪ። ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚንውር፡ ከምኡ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶም ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን፡ ኪንውሩ እዮም። ዝባኖም እምበር፡ ገጾም ናባይ ኣይመለሱን እሞ፡ ንዕጨይቲ፡ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፡ ንእምኒ ድማ፡ ንስኺ ወለድኽና፡ ይብሉ። ብጊዜ መከራኦም ግና፡ ተንስእ እሞ ኣድሕነና፡ ይብሉ። ኣታ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለው ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ። ስለምንታይ ምሳይ እትካትዑ ኲላትኩም ክሒድኩምኒ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብኸንቱ ንደቅኹም ወቓዕኩ፡ ንሳቶምውን ኣይተቐጽዑን። ሴፍኩም ከም ሰባሪ ኣንበሳ ዀይኑ ንነብያትኪም በልዖም። ኣታ ወለዶ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል። ንእስራኤልዶ ጸምጸም በረኻ ወይስ ድቕድቕ ጸልማት ኰንክዎ ስለምንታይ ደኣ ህዝበይ፡ ሓራ ውጹኣት ኢና፡ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን፡ ዚብሉ ጐርዞዶ ስልማታ ወይስ መርዓት ቅናታ ትርስዕ እያ ህዝበይንንከ ቚጽሪ ዜብሉ መዓልትታት ረስዓኒ። ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጒያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ። ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ፡ ስለ እዚ ዂሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ኪጒሕሉስ ኣይረኸብክዮምን። ምስናይ እዚ ድማ፡ ኣነ ንጽህቲ እየ፡ ቊጥዓኡ ኻባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ፡ ትብሊ ኣሎኺ። እንሆ፡ ሓጢኣት የብለይን ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ። ስለምንታይ መገድኺ ንምልዋጥ ትህወኺ ኣሎኺ ከምቲ ብኣሶር ዝነወርክዮ፡ ብግብጺ ኸኣ ክትንውሪ ኢኺ። እግዚኣብሄር ነቲ እትእመንዮ ደርብይዎ እዩ፡ ምሳታቶም ድማ ኣይኪቐንዓካን እዩ እሞ፡ ካብኡውን ኢድኪ ኣብ ርእስኪ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ። ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ ይብል እግዚኣብሄር። ኣዒንትኺ ቛሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ኲርባታት ጠምቲ፡ ዘይደቀስክሉ ኣበይ ኣሎ ከምቲ ወዲ ዓረብ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዜድቢ፡ ኣብ መገዲ ተቐሚጥኪ ትጽበይዮም ነበርኪ፡ ብምንዝርናኽክን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ። ብሰሪ እዚ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፡ ዝናም ጽብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣቤኺ። ሕጂኸ፡ ኣቦይ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ኢልኪዶ ትጽውዕኒ ኣየሎኽን ንሓዋሩዶ ኪቚጣዕ እዩ ክሳዕ መወዳእታዶኸ ኺጽመም እዩ እንሆ፡ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዚከኣለኪ ኽፋእ ትገብሪ ኣሎኺ። እግዚኣብሄር ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ከምዚ በለኒ፡ እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ ኣብ ነነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ዘዝለምዔ ኣእዋምን ከይዳ ኣብኡ ኣመንዘረት። እዚ ዂሉ ምስ ገበረት ከኣ ናባይ ክትምለስ እያ። በልኩ፡ ግናኸ ኣይተመልሰትን። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸኣ ነዚ ረኣየት። ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሔያ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሔት፡ ኤረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርኤኹ። ኰነ ድማ፡ ብቕለት ምንዝርንኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፡ ምስ እምንን ዕጨይትን ከኣ ዘመወት። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕ፡ በለኒ። ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቊጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቊር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርስኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋም ኣብቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኣብዝን ኣብትን ጸፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፡ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኩም፡ ኣበሳኺ ተኣመኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር። በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋፌኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሽዑ የሩሳሌም ዝፋን እግዚኣብሄር ክትበሀል እያ፡ ኲላቶም ኣህዛብ ከኣ ብስም እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይኪመላለሱን እዮም። በተን ወርሓት እቲኤን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ኪኸዱ፡ ሐቢሮም ድማ ካብ ሃገር ሰሜን ናብታ ነቦታትኩም ኪርስተይዋ ዝሀብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም። ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ ኻብ ኲሉ ዚበልጽ ጥዑም ምድሪ፡ ርስቲ ኣህዛብ ክህበኪ እየ፡ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ፡ ኣቦየ፡ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ፡ ካባይ ድማ ኣይክትርሕቅን ኢኺ፡ ኢለውን ነበርኩ። ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። መገዶም ስለ ዘበላሸውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፡ ድምጺ ኣብ ኲርባታት ተሰምዔ፡ ንሱውን ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል እዩ። ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ ኣሎና። ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ። ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትና፡ ነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን፡ ካብ ንእስነትና ጀሚሩ በልዖ። እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣቤና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንበል፡ ነውርና ኸኣ የጐልብበና። ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ፡ ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብጽድቅን ክትምሕል ኢኻ፡ ኣህዛብ ከኣ ብእኡ ኺባረኹን ኪሕበኑሉን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ። ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኰይኑ ሃልሃል ከይብልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ተገዘሩ፡ ልብኹም ገዘሩ። ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣውጁ እሞ፡ ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ፡ በሉ። ዓው ኢልኩም ከኣ፡ ተኣከቡ እሞ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኢልኩም ጨድሩ። ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ እሞ፡ ናብ ጽዮን ኣቢሉ ዜመልክት ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ መጸግዒ ድለዩ፡ ጠጠው ኣይትበሉ። ኣንበሳ ኻብቲ ጭምጭም ዱር በለኽ ይብል፡ ምድርኺ ኼባድም፡ ከተማታትኪ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን ክሳዕ ዚሰኣን፡ ኬፍርስ፡ መጥፍእ ህዝብታት ነቒሉ ኻብ ስፍራኡ ይወጽእ። እምበኣርሲ እቲ ነዳዲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካባና ኣየግለሰን እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኑ፡ ኣልቅሱ ዋይዋይ ድማ በሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ንጉስ ልቢ መሳፍንትን ከም ዚዝሕትል፡ ካህናት ከም ዚፈዙ፡ ነብያትውን ከም ዚግረሙ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ፡ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብርግጽ ጠቢርካዮም፡ በልኩ። በቲ ዘመን እቲ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺበሀል እዩ፡ ሃሩር ዘለዎ ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብታ ጓል ህዝበይ ኪመጽእ እዩ፡ ንምምስኣይን ንምዝራውን ዚኸውን ኣይኰነን፡ ካብኡ ኣዝዩ ዚብርትዕ ንፋስ ካባይ ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ሕጂ ብፍርዲ ኽዛረቦም እየ። እንሆ፡ ከም ደበና ዀይኑ ይወጽእ፡ ሰረገላታቱ ኸም ህቦብላ እዮም። ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና። ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕጸቢ። ክሳዕ መኣዝ ክፋእ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኺነብር እዩ ካብ ዳን ድምጺ ይስማዕ፡ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ ሕሰም ይውረ ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚኸብብ ጭፍራ ይመጽእ፡ ንኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ይፍክሩለን አለው፡ ኢልኩም ነህዛብ ንገርዎም፡ ንየሩሳሌም ኣፍልጥዋ። ንኣይ ስለ እተጻረረት፡ ከም ሓለውቲ ግራት ኰይኖም ብዂሉ ወገና ይኸብዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣኻይዳኽን ግብርኽን እዩ እዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ እዩ፡ መሪር እዩ እሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ። ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል ኣሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፡ ትም ኣይብልን። ኲላ እታ ሃገር ዐኒዋ እያ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይውረ ኣሎ፡ ጐጆታተይ ብድንገት፡ ድንኳናተይ ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ዐነዋ። ክሳዕ መኣዝ ሰንደቕ ዓላማ ኽርኢ፡ ደሃይ መለኸትስ ክሰምዕ እየ ህዝበይ ዓሻ እዩ እሞ፡ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ እዮም እሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም። ንምድሪ ጠመትክዋ፡ እንሆ፡ ጽምዋን ባዶን ነበረት፡ ንሰማያትውን ጠመትኩ እሞ ብርሃን ኣይነበሮን። ነኽራን ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ራዕራዕ ይብሉ፡ ኲላቶም ኰረቢትውን የንፈጥፍጡ ኣለው። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ኣይነበረን፡ ኲለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ በረራ። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ነድሪ ቚጥዓኡን እታ ፈራይት ምድርስ ምድረ በዳ ዀነት፡ ከተማታታ ድማ ፈረሳ። እግዚኣብሄር ኸምዚ ይብል፡ ኲላ እታ ሃገር ክትባድም እያ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ። ኣነ ኢለ ኢሎኹ ወዲኤዮ ኸኣ እየ፡ ኣይክጠዐሰሉን ኣይክምልሶን ድማ እየ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሐዝን፡ ሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኺጽልምት እዩ፡ ይብል ኣሎ። ካብቲ ድዋዕዋዕ ምባል ፈረሰኛታትን ወርወርቲ ፍላጻን እተላዕለ፡ ኲሉ እቲ ኸተማታት ይሀድም። ኣብ ዕሙር ዱር ይሰዃዅዑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ይሐዂሩ፡ ኲሉ ኸተማታት ተሐደኢጉ፡ ዚነብሮ ሰብ ከኣ የልቦን። ኣቲ ዝዐኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ ጁዂ እንተ ተኸደንኪ፡ ስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪ፡ ኲሕሊ እንተ ተዀሐልኪ፡ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው። ነቲ ቕልውላው ዝሐዛ፡ ነቲ ምዕሉባጥ ፈለማያ እትወልድ ሰበይቲ ዚመስል ኣደድ ምባል እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ደሃይ እታ ዓቕሊ ኣጽቢባ፡ ኢዳ ዘርጋሕጋሕ እተብል፡ ዋይ ደኣ ነፍሰይ ብሰሪ እዞም ቀተልቲ ሰልከየት፡ ኢላ እተድሂ ዘላ ጓል ጽዮን እዩ። ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩ፡ ሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዚገብር ሓቂ ኸኣ ዚደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ ዘለው። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዚደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምን። ኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑን። ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ። ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡ እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዚፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነፍሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሐቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ። ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮም፡ ተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦም፡ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾ፡ ውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ። ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ ደቅኺ ጠለሙኒ፡ ኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ። ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም። በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ። እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ኪልቚምጾም እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም። ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም። ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኪበልዕዎ ዚግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ኪበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ኪበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኼፍርስወን እዮም። ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሐደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም። እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ፡ ኣታ ልቢ ዜብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ። እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ። ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን። ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም። ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዜፈንጥሩ ይቃጸው፡ መፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው። ከምታ በዕዋፍ ዝመልኤ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ዝለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ። ስቡሓትን ዜባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉን። ፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዜቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉን፡ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን። በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ፡ ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ኣቱም ደቂ ብንያም፡ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይቐርብ ኣሎ እሞ፡ ካብ ማእከል የሩሳሌም ህደሙ፡ ኣብ ትቆኣ መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ርእሲ ቤት ሃኬሬም ምልክት ትኸሉ። ነዛ ስብቅልን ሕንቅቕትን ጓል ጽዮን ከጥፍኣ እየ። ጓሶት ምስ መጓሴታቶም ኣብኣ ይወፍሩ፡ ድንኳናቶም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፡ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ይጓስዩ ኣለው። ክትዋግእዋ ተዐጠቑ፡ ተንስኡ፡ ቀትሪ ኸሎ ንውጻእ። ምድሪ መስዩ፡ ጽላሎት ምሸት ከኣ ነዊሑ እዩ እሞ፡ ወይለና። እምበኣርሲ ተንስኡ፡ ብለይቲ ንገስግስ እሞ ነዳራሻታ ነፍርሶ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣእዋም ቊረጹ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብቐጽሪ ኽበብዋ። ብዂሉ ወገና ዓመጽን ጐመጽን ኣለዋ እሞ፡ እትቕጻዕ ከተማ እያ። ዔላ ማዩ ኸም ዜፈልፍል፡ ከምኡ ኸኣ ክፍኣታ ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመጽን ምብራስን ይስማዕ ኣሎ፡ ስቓይን ቊስልን ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ እዩ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ነፍሰይ ካባኺ ኸይትፍለ እሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ በዳ ኸይገብረክስ፡ ተቐጽዒ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ንተኽሊ ወይኒ ዚቕርምዎ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኣራይ ዘቢብ ኣብ ሓረግ ዚገብሮ፡ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ። እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ ስለዚ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር መሊኤ ኣሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከኣለንን። ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣረጊትን ዕድሚኡ ዘእከለን ኪተሐዙስ፡ ኣብቶም ቈልዑ ኣብ መገድን ኣብቶም መንእሰይ ኣብ ባይቶን ኣሕቢርካ ኽዐወሎም። ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ኣብ ካልኦት ኪሐልፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለው እዩ። ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ። ኣብ ደሃይ መለኸት ኣድህቡ፡ ዚብሉኹም ሐለውቲ ሸይመልኩም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ኣይነድህብን ኢና፡ በሉ። ስለዚ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ፡ ኣቱም ማሕበር፡ እቲ ዚመጾም ዘሎ ፍለጡ። ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ፡ ኣብ ቃላተይ ኣየድሀቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት ከምጽእ እየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም እዩ። እቲ ዕጣን፡ ካብ ሳባ፡ ምኡዝ ቃንጫ ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚመጽእ እንታይ ግዱ ኣሎኒ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንን፡ መስዋእቲ ሕሩድኩምውን ኣየብህገንን እዩ። ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ እምኒ መዓንቀፊ ኤንብር ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣቦታትን ውሉድን ኪዕንቀፉ፡ ጐረቤትን ዓርኩን ሐቢሮም ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይነቅል ኣሎ። ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣፍርስ ሰሪሮም ይስለፉ፡ ከም ጅግና ኸኣ ኪዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለው። ወሪኦም ሰማዕና፡ ኣእዳውና ድማ ዘርጋሕጋሕጋሕ በለ። ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ሐዘና። ሰይፊ ጸላኢ ኣብኡ፡ ፍርሃት ከኣ ኣብ ኲሉ ወገን ኣሎ እሞ፡ ኣብ ግዳም ኣይትውጽኡ፡ ኣብ መገድታት ኣይትኺዱ። ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ መጥፍኢ ብድንገት ኪመጸና እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኒ፡ ኣብ ሓመዂስቲ ኣንፈፍዊ፡ ከም ንሓደ ዝወዳ ጌርኪ ሕዘኒ፡ መሪር ብኽያት ብኸዪ። መገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምርን፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ግምብን እምባን ገይረ ኣቘምኩኻ። ኲላቶም ዕለውትን ከድዓትን እዮም፡ ሕሜት እናዘርኡ ይኸዱ። ነሃስን ሓጺንን እዮም፡ ኲላቶም ብልሽዋት እዮም። መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፋእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድሌት እቲ ምዂላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፡ ውጉድ ብሩር ይበሀሉ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፡ ኣብ ደገ ቤት ደው በል እሞ ኣብኡ ዄንካ እዚ ቓል እዚ ስበኽ በልውን፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው ሰብ ይሁዳ ዂላትኩም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸንብረኩም እየ። መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኢልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ። መገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡ ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩም፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዐብኩምሲ፡ ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሀብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ። እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣሎኹም። ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዐጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡ ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዛ ብስመይ እተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኲሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ድሑናት ኢና፡ ትብሉ ኣሎኹም። እዛ ብስመይ እተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርሲ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ ናብ ሲሎ፡ ኪዱ እሞ ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ እዚ ዂሉ ግብርታት እዚ ጌርኩምስ፡ ኣንጊሄ ተንሲኡ ነጊርኩም፡ ተዛሪብኩም ኣይሰማዕኩምን፡ እናጸዋዕኩኹም ድማ ኣይመለስኩምን ኢኹም እሞ፡ ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት፡ ንስኻትኩምውን እትውከልዋ ዘሎኹም ቤት፡ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ስፍራ፡ ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ እየ፡ ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዂሎም ዘርኢ ኤፍሬም፡ ዝደርቤኽዎም፡ ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ። ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለውዶ ኣይትርእን ኢኻ ንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ። ንኣይዶ እዮም ዜጒህዩ ዘለው ንውርደት ርእሶምዶ ግዳ ኣይኰኑን ዚብድሉ ዘለው ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣእዋም መሮርን ኣብ ፍረ ምድርን ክዂዑ እየ፡ ኪነድድ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ኣብቲ መስዋእቲ ሕሩድኩም ወስኹ እሞ እቲ ስጋ ብልዑ። በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዚሐርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ። ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ። ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን። ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወሉላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም። ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ። እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይኪመልሱልካን እዮም፡ እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ። እግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ። ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ፡ ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም። ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን። እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። በቲ ዘመን እቲ ዓጻጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ዓጻጽምቲ መሳፍንቱን ዓጻጽምቲ ኻህናትን ዓጻጽምቲ ነብያትን ዓጻጽምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካብ መቓብሮም ኬውጽእዎ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዐብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኲሎም ሰራዊት ሰማይን ኪሰጥሕዎ እዮም። ኣብ ርእሲ ምድሪ ድዂዒ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ዚእክቦ ወይስ ዚቐብሮ የልቦን። ኲሎም እቶም ተረፍ ናይ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ዝተረፈ፡ ካብ ህይወት ሞት ኪሐርዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ድማ ንገሮም፡ ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ እዩ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ እዩ ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ። ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዐስ፡ እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዚብል የልቦን፡ ከምቲ ናብ ኲናት ዚፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ ኣሎ። ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ። እቶም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪሐፍሩን ኪስምብዱን ኪተሐዙን እዮም። እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም እዩ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ እዮም፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ኣለው እሞ፡ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፡ ግራሁኦም ድማ ንዜጥርይዎ ኽህቦ እየ። ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም፡ ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። ጽያፍ ስለ ዝገበሩ ኺሐፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምኳኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ድማ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ርግጽ ከጽንቶም እየ፡ ኣብ ሓረግ ወይኒ ዘቢብ ኣይርከብን፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ የልቦን፡ እቲ ቘጽሊ እኳ ይሐርር፡ ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣጥፊኡና፡ ማይ ስሚ ድማ ኣስትዩና እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ስቕ ኢልና ንቕመጥ ተኣከቡ፡ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኣብኤን ከኣ ንጥፋእ። ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ። ናይ ኣፍራሱ ዂርፍ ምባል ካብ ዳን ይስማዕ፡ ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጒላታቱ ድማ ኲላ እታ ሃገር ትርዕድ። መጹ፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከኣ በልዕዎም። እንሆ፡ ዓዛሚ ኺዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገባብልን ክሰደልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪነኽሱኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሐዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ ኣሎ። እንሆ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ ዚብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ ብቕሩጽ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣኦታቶምን ዜቘጥዑኒ ቀውዒ ሐለፈ፡ ሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሐንናን። ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት፡ ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን። ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሀበኒ። ወዮ፡ ኲላቶም ዘመውትን ኣኼባ ጥልመትን ኰይኖም እዮም እሞ፡ ኣብ በረኻ ማሕደር መንገደኛታት እንተ ትህልውንስ፡ ህዝበይ ምሐደግኩ፡ ካብኦምውን ምረሐቕኩ ነይረ። ካብ እከይ ናብ እከይ ይሐልፉ፡ ንኣይ ከኣ ኣይፈልጡንን እዮም እሞ፡ ንልሳኖም ከም ቀስቶም ገይሮም ሓሶት ይግትሩ ኣለው፡ ንሓቂ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣብታ ሃገርሲ ሓያላት እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍ ሓው ይጥብር፡ ነፍሲ ወከፍ ብጻይ ድማ እናሐመየ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ብጻዩ ይጠንቀቕ፡ ኣብ ሓዉውን ኣይተኣመን። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፡ ሓቂ ኸኣ ኣይዛረቡን፡ ልሳውንቶም ሓሶት ንምዝራብ የልምዱ፡ እከይ ንምግባርውን ይደኽሙ። እትነብረሉ ዘሎኻ ማእከል ጥበራ እዩ፡ ብሰሪ ምጥባር ድማ ምፍላጠይ ኣበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ፡ እንሆ፡ ክዂልዖምን ክምርምሮምን እየ፡ ብናይ ጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ልሳኖም ዚቐትል ፍላጻ እዩ፡ ጥበራ ይዛረቡ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፡ ብልቡ ግና ይቃጸዎ። በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፡ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር። ንኣኽራን እበኽየሉን እድጒዓሉን፡ ነቲ መውፈር በረኻውን፡ ብሓዊ ነዲዱ ዚሐልፈሉ የልቦን እሞ፡ እቚዝመሉ ኣሎኹ። ኣብኡ ንቅዋ ኸብቲ ኣይስማዕን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኰነ ኻልኦት እንስሳውን ሀዲሞም ተጸርገፉ። ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፡ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ። እቲ ነዚ ዜስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ ነዚ ኺገልጾኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ እታ ሃገር፡ ሓደ እኳ ዚሐልፋ ዜብላ ዀይና፡ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኤትሲ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ከኣ ይብል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ ሐደጉ፡ ድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን፡ ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሀርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዐቡ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖ፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ፡ ኣብ ማእከል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን። ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና። ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና። ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራወትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ። ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራወትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ። እግዚኣብሄርሲ፡ ሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዚእክቦ ዜብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድዂዒ ኣብ ግራት ኪወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ዚሕበንሲ እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ። ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ። ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም። ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለው በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለው በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይ፡ ቊስለይ የቐንዝወኒ ኣሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ። ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን። ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ ኣሎ። ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ። ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ድማ ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆ፡ በለኒ፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎም፡ ንድምጸይ ስምዑ፡ ኢለ ኣንጊሄ ኣስማዕኩሎም። ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ኹሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው። ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዐቡ። ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ። ኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም። ኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም። ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን። ፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ ኣለዎ መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ ኣሎኻ እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ። እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ። እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርኤኻኒ። ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዚወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን። ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ቅኑዕ እትፈርድ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምር፡ ነገረይ ኣባኻ ኤማሕጽን ኣሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ፡ ኢሎም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለው ሰብ ኣናቶት ይዛረብ ኣሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም። በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ። ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ። ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶም፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም። እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሐዝን ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ኪነቅጽ እዮ ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይኪርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው። ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጥድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን፡ ኣይትእመኖም። ቤተይ ሐደግኩ፡ ርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ። ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ። ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ ኣለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ኪበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም። ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ፡ ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሐዝን ኣላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዜስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት። ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ ኣሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን። ስርናይ ዘርኡ፡ እሾዂ ከኣ ዐጸዱ፡ ጸዐሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሐንኩ ኢኹም። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዚነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቊሶም፡ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቊሳ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሀርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ኪምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኪሀንጹ እዮም። ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቊሶ፡ ኣነ ኽምንቊሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዐጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተወይጠ ሕቘይ ተዐጠቕኩላ። ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ። ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ። ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሐባእክዋ። ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሐብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያ፡ በለኒ። ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሔት። ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምኡ ገይረ ኸኣ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት የሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ፡ እዚ ብትሪ ልቡ ዚመላለስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሎምን ኪሰግደሎምን ዚስዕቦም፡ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ኪኸውን እዩ። ኣነስ ንዂሎም ቤት እስራኤልን ንዂሎም ቤት ይሁዳንሲ ህዝብን ስምን ሓበንን ክብርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቚኡ ዚጠብቕ፡ ከምኡ ኸኣ ቀጥ ኣቢለ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣሕርብቲ ዘበለ ወይኒ ኺምላእ እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሕርብቲዶ ወይኒ ኸም ዚምላእ ኣይንፈልጥን ኢና ይብሉኻ። ሽዑ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ምለሰሎም፡ እንሆ፡ ንዂሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ዘለው ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያት ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብስኽራን ክመልኦም እየ። ነቦታትን ንውሉድን ኣሕቢረ ነቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኸራጽሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይክድንግጽን፡ ኣይክንሕፍን፡ ኣይክምሕርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስምዑ፡ ጽን በሉ፡ ኣይትተዐበዩ፡ እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርኩም ከይተሰናኸለ፡ ነታ እትጽበይዋ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማውን ከይለወጣ ኸሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ክብሪ ሀቡ። እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እየ፡ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፡ ንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ። ንንጉስን ነደ ንጉስን፡ እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፡ ለጠቕ ኢልኩም ተቐመጡ፡ ኢልካ ንገሮም። ከተማታት ድቡብ ተዐጽዋ፡ ዚኽፍተን ድማ የልቦን። ኲላ ይሁዳ ተማረኸት፡ ብዘላ ብጥራስ ተማረኸት። ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ነዞም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለው ርኣዩ። እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ ነቶም ባዕልኺ ዘስተምሀርክዮም ፈተውትኺ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣግዝኦም፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ ከምታ ቕልውላው እተታሕዘት ሰበይቲዶ ኣይክትስቀይን ኢኺ ብልብኺ ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ወረደኒ እንተ በልኪ፡ ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኺ ዘፈር ክዳንኪ ተኸበከበ፡ ዳንጋኺውን ንሕስራን ተቐልዔ። ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ይከኣሎ እዩ እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም። ስለዚ ድማ ኣነ ኸምቲ ንፋስ በረኻ ዝበቈጾ ብቚቡቚ ክዘርዎም እየ። ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ሓፍረትኪ ኺርኤ፡ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገጽኪ ክኽብክብ እየ። ዝሙትክን ምሕምሓምክን ኣብ ኲድዂዶታትን ኣብ መሮርን ዝገበርክዮ ርኽሰት ምንዝርናኽን፡ እቲ ጽያፍኪ ርኤኹ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ። መኣዝ ኰን ክትጸርዪ ኢኺ እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናይ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ይሁዳ ትሐዝን፡ ደጌታታ ኣሕለልዩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ይደኑ ኣለው፡ ብኽያት የሩሳሌም ዋሕ ይብል ኣሎ። ጭዋታቶም ንደቆም ማይ ኬምጽኡ ይልእክዎም፡ ናብቲ ሓጽብታት ወሪዶም ማይ ይስእኑ እሞ ዓታሩኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ይምለሱ፡ ሐፊሮምን ሐኒኾምን ርእሶም ይጒልበቡ። ማይ ስለ ዘይዘነመ፡ እታ ምድሪ ኳሕኳሕ በለት እሞ፡ ሓረስቶት ሐኒኾም ርእሶም ይጒልበቡ ኣለው። ኣብ መሮር ዝወለደት እራብ እኳ፡ ሳዕሪ ስለ እተሳእነ፡ ማሕስኣ ሐዲጋ ትኸይድ። ኣእዱግ ከደን ድማ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን ከም ወኻሩ ይልህልሃ፡ ካብ ሰኣን ሳዕሪ እተላዕለ ኣዒንተይ ሰም ይብላ ኣለዋ። ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር። ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብጊዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚሐድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኼውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና። እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ። ኣነ ድማ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት እኮ እዮም፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይክትርእዩን ጥሜትውን ኣይኪመጻኩምን እዩ፡ ዚብልዎም ዘለው፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም። ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም። እምበኣርስኸ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፡ ብዘሰቂ ቚስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቛረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ፡ እንሆ፡ ብሰይፊ ዝሞቱ፡ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፡ እንሆ፡ ብጥሜት ዝቓሀመሙ፡ ክሳዕ ነብይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለው። ካንዶ ንይሁዳ ብጥራስ ደርቢኻያ ኢኻ ነፍስኻዶ ብጽዮን ሰክሔት ስለምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሐዊ ጌርካ ወቓዕካና ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻ በዲልና ኢና እሞ፡ ረሲእነትናን ኣበሳ ኣቦታትናን ተፈሊጡና ኣሎ። ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዐቐና፡ ነቲ ዝፋን ክብርኻ ኣይተዋርዶ፡ ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ። ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ ኣሎ እዩ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብል ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ። ናበይ ክንከይድ ኢና እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም። ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሰሪ ምናሴ፡ ወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ። ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ መንከ እዩ ዚበኽየልኪ ብናይ ሰላምኪ ኺጥይቕ ዚሀልከልክስ መን እዩ ኣቢኺኒ፡ ንድሕሪት ተመለስኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ ኤጥፍኣኪውን ኣሎኹ። ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስኤ መስኤኽዎም፡ ንህዝበይ ውሉድ ከሊኤ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን። መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩ፡ ብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ። ሾብዓተ ዝወለደት ተሐሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዐርባ፡ ትሐፍርን ትሐንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ኣደይ፡ ንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይ። ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው። እግዚኣብሄር፡ ብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብጊዜ ጭንቀትን ብጊዜ ጸበባን ከም ዚልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል ኣሎ። ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ። ካብ ቊጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ኪብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዐገስኩ ፍለጥ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ። ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመትኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ። ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቚስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ንጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም። ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም። ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄርውን ናባይ መጸ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብብርቱዕ ሕማም ኪሞቱ እዮም፡ ኣይኪብከዮምን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ፡ ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልውኻ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብብርቱዕ ሕማም ኪሞቱ እዮም፡ ኣይኪብከዮምን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ፡ ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልውኻ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብብርቱዕ ሕማም ኪሞቱ እዮም፡ ኣይኪብከዮምን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ፡ ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልውኻ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰላመይን ሳህለይን ምሕረተይን ካብዚ ህዝቢ እዚ ኣርሒቐ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብ ቤት ሓዘንቲ ኣይትእቶ፡ ከተልቅስ ድማ ኣይትኺድ፡ ኣይተትሐዝኖምውን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዓበይትን ናእሽቱን ኪሞቱ ኣይኪቕበሩን ከኣ እዮም፡ ሓደ እኳ ዚበኽየሎምን ዚመልጠሎምን ዚነጽየሎምን ከኣ ኣይኪርከብን እዩ። ብናይ እቲ ዝሞተ ንምጽንናዕ ኪኸውን ኢሎም፡ እንጌራ ሓዘንቲ ኣይኪቘርሱሎምን እዮም። ብናይ ኣቦን ኣደን መጸናንዒ ዚኸውን ብዋንጫ ዜስትዮም ኣይኪህሉን እዩ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡ ብዘመንኩም ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸጥፍኦ እየ እሞ፡ ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ኢልካ ናብታ ዚእከቡላ ቤት ኣይትእቶ፡ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡ ብዘመንኩም ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸጥፍኦ እየ እሞ፡ ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ኢልካ ናብታ ዚእከቡላ ቤት ኣይትእቶ፡ ይብል ኣሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኲሉ እዚ ቓላት ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኵሉ እዚ ዓብዪ መዓት ዚዛረበልና ዘሎ እንታይ እዩ ኣበሳና እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ እንተ በሉኻ፡ ንስኻውን ክትብሎም ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቦታትኩም ስለ ዝሐደጉኒ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዐቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፡ ንኣይ ስለ ዝሐደጉኒ፡ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሐለው፡ ንስኻትኩምውን እንሆ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ምእንቲ ኸይትሰምዑኒ፡ ብትሪ እኩይ ልብኹም እናተመላለስኩም፡ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ጌርኩም ኢኹም እሞ፡ ስለዚ ኣነ ኻብ እዚ ሃገር እዚ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይክምሕረኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡውን ለይትን መዓልትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም። ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይበሀለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጒዎም ዝነበረ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ ኺገፍዎም ክሰደሎም እየ። ብድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ሃደንቲ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ዂድዂዶታትን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪሀድንዎም ክሰድድ እየ። ኣዒንተይ ኣብ ኲሉ መገድታቶም ይጥምታ ኣለዋ እሞ፡ ካብ ቅድመይ ኪሕብኡ ኣይከኣሎምን፡ ኣበሳኦም ከኣ ካብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ። ንሃገረይ ብሬሳታት ጣኦታቶም ኣርኪሶምዋ፡ ንርስተይውን ብጽያፎም መሊኦምዋ እዮም እሞ፡ ቅድምሲ መስጣ እቲ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ። ኣታ ጐይታይ፡ ሓይለይ፡ እምባይ፡ ብመዓልቲ ጸበባውን ገዳመይ፡ ህዝብታት ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ኣቦታትናስ ሓሶትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዜብሎምን ጥራይ እዮም ዝወረሱ፡ ኪብሉ እዮም። ሰብዶ ኣማልኽቲ ንርሱ ይገብር እዩ ግናኸ ንሳቶምሲ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን። ስለዚ እንሆ፡ ከፍልጦም እየ፡ በዚ ጊዜ እዚ ኢደይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፡ ስመይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ቀርኒ መሰውኢታትኩምን ከኣ ውቑር እዩ። ከምቶም ንደቆም ዚዝክሩ፡ ከምኡ ኸኣ ንመሰውኢታትን ኣስታርቴታትን ኣብ ዝለምዔ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኹ ዂርባታትን ይዝክሩ ኣለው። ኣቲ ኣብ መሮር ዘሎኺ ኸረነይ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ኲሉ ዶባትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት ንሃብትኽን ንዂሉ መዛግብትኽን ነቲ በረኽቲ ዂርባታትክን ንዘመተ ኽምጥዎ እየ። ንሓዊ ቚጥዓይ ኣቃሊልኩምዎንሲ፡ ንሓዋሩ ኺነድድ እዩ እሞ፡ ብሰሪ በደልኪ ነቲ ሂበኪ ዝነበርኩ ርስቲ ኽትለቅዮ ኢኺ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእትኺ ኸግዝኣኪ እየ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን። ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን። ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ። እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቚሖ እትሐቊፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሐድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን። እቲ ኻብ ጥንቲ ልዕል ዝበለ ዝፋን ግርማስ ስፍራ መቕደስና እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ትጽቢት እስራኤል፡ እቶም ዚሐድጉኻ ዘበሉ ኺሐንኩ እዮም። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ህያው ዓይኒ ማይ፡ ስለ ዝሐደጉ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኣብ ሓመድ ኪጽሐፉ እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒ፡ ክሐዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒ፡ ክድሕንውን እየ። እንሆ፡ ንሳቶም፡ ኣበይ ኣሎ ቓል እግዚኣብሄር ይምጻእ ሕጂይ፡ ይብሉኒ ኣለው። ኣነስ እናሰዐብኩኻ ጓሳ ምዃን ኣይኣቤኹን፡ መዓልቲ መከራ ኣይደሌኹን፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ከናፍረይ እተዛረባኦ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እዩ። ብመዓልቲ ጸበባስ ጸግዔይ ንስኻ ኢኻ፡ ስምባድ ኣይትዂነኒ። እቶም ሰጐጒተይ ይሕነኹ፡ ኣነ ኣይሕነኽ፡ ንሳቶም ይሰምብዱ፡ ኣነ ኣይሰምብድ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፡ ካዕበት ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም። እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዚኣትውለንን ዚወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኪም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍስኹም ሐልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩ፡ ብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ፡ ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበር ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒ፡ ንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዐየኹም እንተ ቐደስኩምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፡ ብሰረገላታትን በፍራስን፡ መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ኽትከውን እያ። ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዚሐርርን ዚሕረድን ዚብላዕን መስዋእቲ፡ ዕጣንውን ሒዞም ኪመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም። ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩንሚ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ኪበልዖ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ። ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ። እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ ኣሎኹ። እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ። ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ ኣሎኹ። ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ። እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን ኣሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ። ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ ኣላ። በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ። በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ። ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ። ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ። ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ። ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ። ኣብ ቅድሜኻ ዝቘምኩ ዘክር። ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ። ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም። እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ካብቲ ሰራሕ መሬት ከኣ ሳርማ ተሻየጥ እሞ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ተማላእ። ናብቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት ዘሎ ለሰ ወዲ ሂኒም ውጻእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ኣውጅ፡ በልውን፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንዝሰምዖ ዘበለ ዂሉ ኣእዛኑ ዚጸመሉ መዓት ከውርድ እየ። ንኣይ ሐዲጎምኒ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ጓና ገይሮምዎ፡ ነቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዐጢኖምሉ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ብደም ንጹሃት መሊኦምዎ እዮም። ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይውን ዘይኣተወንሲ፡ ንበዓል ዚሐርር መስዋእቲ ኪዀኑ ኢሎም፡ ነወዳቶም ብሓዊ ምእንቲ ኼንድድዎም፡ በረኽቲ ስፍራ ንበዓል ሰርሑ። ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እዝ ስፍራ እዚ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌቶ ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንምኽሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ኪዀኖም ክህቦ እየ። ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንመሰክሕን ንመላገጽን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ብዂሉ ስቓያ ኺስክሕን ኬላግጽን እዩ። ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም። ሽዑ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም፡ ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ፡ ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ ኣብ ቶፌት ኪቕበሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዚ ስፍራ እዝን ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡ ኲለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሲ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይትን፡ ከም ስፍራ ቶፌት ኪረኽሳ እየን። ኤርምያስ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ኪንበ ኢሉ ልኢኽዎ ዝነበረ ቶፌት ተመሊሱ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቈመ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ በለ፡ እንሆ፡ ንቓለይ ከይሰምዑ ኽሳዶም ኣትሪሮም እዮም እሞ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብ ኲለን ዓድታታን እቲ እተዛረብኩላ ዘበለ ዂሉ መዓት ከውርደለን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሕልቅነት እተሸመ ጳሽሑር፡ ወዲ እቲ ኻህን ኢሜር፡ ኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኺንበ ኸሎ ሰምዖ። ጳሽሑር ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረት ላዕለይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጒንዲ ኣሰሮ። ንጽብሒሩ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኦ። ኤርምያስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ማጉር ሚሳቢብ እምበር፡ ጳሽሑር ኢሉ ኣይሰመየካን፡ በሎ። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንርእስኻን ንዂሎም ፈተውትኻን መሰምበዲ ኽገብረካ እየ፡ ብሰይፊ ጸላእቶም ኪወድቁ እዮም፡ ኣዒንትኻ ድም ኪጥምታኦ እየን። ንዂላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ብሰይፊውን ኪቐትሎም እየ። ኲሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኲሉ ጻማኣን ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኣን ኲሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህቦ እየ። ንሳቶም ድማ ኪዘምትዎ፡ ኪወስድዎ፡ ናብ ባቢሎንውን ኪማርኽዎ እዮም። ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ዂሎምን ክትማረኹ ኢኹም፡ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ኢኻ እሞ፡ ምስቶም ሓሶት እተነቤኻሎም ኲሎም ፈተውትኻ ኣብኡ ኽትመውት፡ ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ። ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕ፡ ዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ ኣሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠበርካኒ ተጠበርኩ ኸኣ፡ ሐየልካኒ ኣሕመቕካኒ ድማ። ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ፡ ኲሎምውን የባጭውለይ ኣለው። ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕ፡ ዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ ኣሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠበርካኒ ተጠበርኩ ኸኣ፡ ሐየልካኒ ኣሕመቕካኒ ድማ። ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ፡ ኲሎምውን የባጭውለይ ኣለው። ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን። ብዙሓት ኪሐምዩኒ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ብዂሉ ሸነኸይ ስምባድ ይኸበኒ ኣሎ። ክሰስዎ፡ ንሕና ኸኣ ክንከሶ፡ ኢሎም ኲላቶም ፈተውተይ ውድቀተይ ይቃጸዉ፡ ምእንቲ ኸነሕምቖም ሕነ ኽንፈድዮንሲ ይጥበረልና ይኸውን፡ ይብሉ ኣለው። ግናኸ እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጒተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ፡ ዚከኣሎምውን የልቦን። ብጥበብ ስለ ዘይገበርዎ ኣዝዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ። ኣታ ንጻድቕ እትምርምር፡ ልብን ኰላሊትን እትርኢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነገረይ ንኣኻ ኣማዕቊበ እየ እሞ፡ ነቲ እትፍደዮም ሕነ ኣርእየኒ። ንነፍሲ ድኻ ኻብ ኢድ ገበርቲ እከይ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ወድሱ። እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፡ እታ ኣደይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ። እቲ ነቦይ፡ ወዲ ተወሊዱልካ፡ ኢሉ ዘበሰሮ እሞ ዘሐጐሶ ሰብኣይ ርጉም ይኹን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸምተን እግዚኣብሄር ከይተጣዕሰ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን። ንግሆ ኣውያት፡ ቀትሪ ድማ ጭድርታ ውግእ ይስማዕ። ኣደይ መቓብረይ ክትከውን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ብጥንስታ ኽትነብርሲ፡ ስለምንታይ ኣብ ማሕጸን ወላዲተይ ከሎኹ ዘይቀተለኒ ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፡ ዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጽእኩ ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ። ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ። ኤርምያስ ከኣ፡ ንጼድቅያስ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ፡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎንን ነቶም ብኽንየው ቀጽሪ ዚኸቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ክመልሶ ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክእክቦ እየ። ኣነ ባዕለይ ብተዘርግሔት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዂራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ክዋግኣኩም እየ። ኣብዛ ኸተማ ንዚነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፡ ብብርቱዕ ፌራ ድማ ኪሞቱ እዮም። ድሕርዚ ኸኣ ንጼድቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ነቶም ካብ ፌራን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን ናብ ኢድ ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ እቶም ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ክምጥዎም እየ። ንሱ ኸኣ ብብልሒ ሰይፊ ኺወቕዖም፡ ኣይኪንሕፎምን ኣይኪድንግጸሎምን ኣይኪምሕሮምን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሀኢር። ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን ኤንብር ኣሎኹ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመት ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለው ከለዳውያን ዚኣቱ ብህይወቱ ኺነብር፡ ነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ። ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንኽፉእ፡ ገጸይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣሎኹ እሞ፡ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሀብ እያ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡ ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ብሰሪ እከይ ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፡ ዜጥፍኦ ኽሳዕ ዚስእን ከኣ ከይነድድሲ፡ ኣንጊህኩም ፍርዲ፡ ነቲ እተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ኣብ ለሰ ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘሎኺ፡ እኔኹ፡ ናብ ርእስኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ከኣ፡ መን እዩ ሓጋ ዚወድቀና መንከ እዩ ኣብ ሰፈርና ዚኣቱ እትብሉ ዘሎኹም፡ ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ገይረ ክቐጽዓኩም፡ ኣብቲ ዱራ ሓዊ ኽኣጒድ እየ እሞ፡ ንዂሉ ኸባቢኣ ኺበልዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ ኣብኡ እዚ ቓል እዚ ተዛረብ፡ በል ከኣ፡ ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘሎኻ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ንስኻን ግዙኣትካን ህዝብኻን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐው። ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለው ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ። ነፍሲ ወከፍ መምስ ኣጽዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ነቲ መምሩስ ጽሕድታትካ ኪቘርጽዎን ኣብ ሓዊ ድማ ኬእትውዎን እዮም። ብዙሓት ህዝብታት በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሐልፉ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ኪባሃሀሉ እዮም። ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደጉን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ኪመልሱሎም እዮም። እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን። እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን። እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን። እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ። እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ። ብጽሕዲ እንተ ኣጌጽካ ይዀን ክትነግስ ኢኻ፡ ኣቦኻስ ኣይበልዔን ኣይሰተየንዶ፡ ጽድቅን ፍርድንከ ኣይገበረንዶ እዩ ሽዑ ደኣ ደሓን ኰነሉ። ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽኤ፡ ስለዚ ደሓን ኰነሉ። እዚ ነኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር። ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምም ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዋይ ሓወይ፡ ዋይ ሓብተይ፡ ኢሉ ዜልቅሰሉ የልቦን። ኣየ ጐይታ፡ ኣየ ኽብረቱ፡ ኢሎም ከኣ ኣይኬልቅሱሉን እዮም። ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡ ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም። ኲላቶም ፈተውትኺ ተደቚሶም እዮም እሞ፡ ናብ ሊባኖስ ደዪቢ ኣእውዪ ኸኣ። ድምጽኺ ናብ ባሳን ዓው አብሊ፡ ካብ ዓባሪም ድማ ኣእውዪ። ደሓን ከሎኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ ኣይሰምዕን፡ በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ መገድኺ እዩ። ንዂሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፡ ፈተውትኺ ድማ ኪማረኹ እዮም። ሽዑ ብሰሪ እከይኪ ኽትሐፍርን ክትሐንክን ኢኺ። ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፡ ኣቲ ብጽሕዲ ኣጒዶኺ እትሰርሒ ዘሎኺ፡ ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ምስ መጸኪ፡ ክንደይ መደንገጺ ዀን ክትኰኒ ኢኺ። ኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የማናይ ኢደይ ቀለቤት መሕተሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ፡ ካብኡ ኸውጽኣካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣብ ኢድ እቲም ንነፍስኻ ዚደልዩን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ናቡክደናጾር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ክምጥወካ እየ። ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምሉ ሃገር ጓና ኽሰጐኩም እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም። ናብታ ኺምለስዋ ዚናፍቕዋ ሃገር፡ ናብኣ ኣይኪምለሱን እዮም። እምበኣርሲ እዚ ሰብኣይ፡ እዚ ኢኮንያዶ ንዑቕን ስቡርን ኣቕሓ እዩ ዘየብህግ ኣቕሓዶኸ እዩ ስለምንታይ ደኣ ንሱን ዘርኡን ተወንጨፉ፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገርስ ተደርበዩ ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገር፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ። ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ ርህይዎ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዚነግስ የልቦን እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም መኻን፡ ብዕለቱ ኸም ዘይረሀዎ ሰብ ኢልኩም ጽሐፉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነባጊዔይ ዝዘሮኽምወንንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዔይ ዝተረፋ ኻብቲ ዝሰጐጒክወን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓንውን እየን። ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ፡ ኪቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡ እስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኺነብር እዩ። ዚስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ኪኸውን እዩ። ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤን ዝመርሔን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ኪነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤን ዝመርሔን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ኪነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብዛዕባ ነብያት፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጓእ ይብል፡ ኲሉ ዓጻጽምተይ ራዕራዕ ይብል ኣሎ። ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን ከም ስኹርን ከምቲ ወይኒ ዝመለኸ ሰብኣይን ኰንኩ። እታ ሃገር ብዘመውቲ መሊኣ ኣላ፡ ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ሃገር ትሐዝን ኣላ፡ መጓሰዪ በረኻ ነቐጸ። ጒያኦም እኩይ እዩ፡ ሓይሎም ከኣ ሰናይ ኣይኰነን። ነብያትን ካህናትን ረኸሱ፡ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም ረኸብኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። በታ ዝዝክሮም ዓመትሲ መዓት ከውርደሎም እየ እሞ፡ ስለዚ መገዶም ኣብ ጸልማት ከም ስፍራ መንደልህጾ ኽትኰኖም እየ፡ ኣብኣ ተደፊኦም ኪወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ነብያት ሰማርያ ድማ ዕሽነት ርኤኩ፡ ብስም በዓል ተነበዩ፡ ንህዝበይ እስራኤል ኣስሐቱ። ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኩ፡ የመንዝሩ፡ ብሓሶት ይመላለሱ፡ ሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስ፡ ኢድ እቶም እኩማት የጽንዑ ኣለው። ኲላቶም ከም ሶዶም፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ኸም ጎሞራ ዀኑኒ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ እቶም ነብያት፡ ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት ኣብ ኲላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ዕረ ኸብልዖም፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮም እየ፡ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር፡ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ዚንዕቁኒ ዘለዉ ዂሉ ጊዜ፡ እግዚኣብሄርሲ ደሓን ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ኣሎ፡ ነቶም ብትሪ ልቦም ዚመላለሱ ዂላቶም ድማ፡ ገለ ኽፉእ ኣይኪወርደኩምን እዩ፡ ይብልዎም ኣለው። ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ዝወዐለ መን እዩ ጽን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዔኸ መን እዩ እንሆ፡ ህቦብላ እግዚኣብሄር፡ እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ኪወድቕ እዩ። ቊጥዓ እግዚኣብሄር ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕኩም ከተስተውዕልዎ ኢኹም። ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ፡ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ። ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም፡ ካብቲ ኽፉእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮምን ከኣ ምመለስዎም ነይሮም። ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን ይብል እግዚኣብሄር። ነቲ ሐሊመ፡ ሐሊመ እናበሉ፡ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ። እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያት፡ ነብያት ጥበራ ልቦም፡ ክሳዕ መኣዝ ኪጸንሕ እዩ ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዚዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሐስቡ ኣለዉ እቲ ሕልሚ ዝሐለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ኣለዎ ይብል እግዚኣብሄር። ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እንሆ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳረቑ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ነቶም ልሳኖም ኣልዒሎም፡ ይብል ኣሎ፡ ዚብሉ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ጾር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ፡ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ኣየናይ ጾር እሞ፡ ኢልካ ምለሰሎም። ኣነ ኽድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነቲ፡ ጾር እግዚኣብሄር፡ ዚብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ንቤቱን ክቐጽዖም እየ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ እተዛረበ ደኣ በሉ። ንቓላት ህያው ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስለ ዝጠዌኹምዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃሉ ጾሩ ኪዀኖ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ጾር እግዚኣብሄር ኣይትበሉ። ንነብዪ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰልካ እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ ዝበለ ኢልካ በሎ። ግናኸ ጾር እግዚኣብሄር እንተ በልኩም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ፡ ጾር እግዚኣብሄር ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ ጾር እግዚኣብሄር እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡ ስለዚ እንሆ፡ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ንኣኻትኩምን ነታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ። ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም እየ። *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** *** ይ ምዕራፍ ትንቢት ኤርምያስ ትንቢት ኤርምያስ ትንቢት ኤርምያስ ትንቢት ኤርምያስ ይ ምዕራፍ ትንቢት ኤርምያስ ትንቢት ኤርምያስ ይ ምዕራፍ ይ ምዕራፍ ትንቢት ኤርምያስ ትንቢት ኤርምያስ ይ ምዕራፍ ይ ምዕራፍ ይ ምዕራፍ ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፡ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምንሩኻት ከሎኹ፡ ሰማያት ተኸፍቱ፡ ራእይ እግዚኣብሄርውን ርኤኹ። ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓመቱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ቡዚ፡ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፡ ኣብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፡ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፡ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ። ካብቲ ማእከሉ ኸም መልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፡ ሰብ የምሰልስሉ። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ። ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፡ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፡ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ። በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፡ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንፍን ነበሮም። ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፡ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም። ብላዕሊ ኸኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ክንፊ፡ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፡ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዚኸድና እየን። ነፍሲ ወከፎም ኣቕኑዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፡ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጒሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፡ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ። እምበኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፡ እንሆ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም። ትርኢት እቲ መንኰራዂርን ኣስራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣስራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። ኪኸዱ ኸለዉ፡ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዚኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ። ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዂር ነበረ እሞ፡ እቲ መንኰራዂር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዂር ስለ ዝነበረ፡ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ይኸይድ፡ ንሳቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ደው ይብል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታል፡ ጠፈር ሰማይ ዚመስል፡ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሒ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዚኸድኑሉ ኸኽልተ ኽንፊ ነበሮም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፡ ከም ድምጺ እቲ ዂሉ ዚኽእማ፡ ደሃይ ታዕታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩ። ደው ኪብሉ ኸለዉ ኣኽናፎም ይዕዂልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበር ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዔ። ደው ኪብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዂልሉ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ። ካብቲ ሕቚኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፡ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቚኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፡ ኣብ ዙርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፡ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፡ በለኒ። ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፡ መንፈስ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፡ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ። በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ደቂ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ። ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፡ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም። ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፡ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፡ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዂን እንተ ዀንካ፡ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ። ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖምኻ፡ እንት ኣብዮምኻ፡ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ። ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፡ ኣፍልካ ኽፈት፡ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ። ጠመትኩ እሞ እንሆ፡ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፡ እንሆውን፡ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፡ ብውሽጣን ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ፡ ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም፡ በለኒ። ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከብድኻ ኣጽግብ፡ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ፡ በለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት። በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም። ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፡ ዘረባኡ ዝኸቢድ ህዝቢ፡ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም። ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፡ ዘረባኡ ዝኸቢድ ህዝቢ፡ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም። ግናኸ ኲሉ ቤት እስራኤል፡ ግምባሮም ተሪር፡ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፡ ቤት እስራኤልሲ ኺሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ፡ ንኣኻ ኣይኪሰምዑኻን እዮም። እንሆ፡ ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ። መሊሱውን በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዂሉ እቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ። ናብቶም ምሩኻት፡ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፡ እንተ ኺሰምዑኻ፡ እንተ ኺኣብዩኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣልካ ንገሮምን በሎምን። እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ፡ ብድሕረይ ድማ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ፡ ዚብል ብርቱዕ ደሃይ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኩ። ኣነ ኸኣ ህማም እቲ ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን ደሃይ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዂርን ደሃይ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኩ። እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ ወሰደኒውን። ብዂራ መንፈሰይ መሪሩኒ ኸድኩ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ በርቲዓ ኣብ ልዕለይ ነበረት። ናብቶም ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ኣብ ቴል ኣቢብ ዝነበሩ ምሩኻት፡ ናብቲ ዚነብሩሉ ዘለዉ ኸኣ መጻእኩ። ኣብኡውን እናኣስቈርቈርኩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ተቐመጥኩ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፡ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም። ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ ምስ በልክዎ፡ እንተ ዘይመዐድካዮ፡ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፡ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፡ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሐንካ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፡ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፡ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፡ ብሓጢኣቱ ኪመውት፡ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፡ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፡ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን። ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብኡ ኣብ ልዕለይ መጸት እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ጐልጐል ውጻእ፡ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ በለኒ። ሽዑ ተንሲኤ ናብ ጐልጐል ወጻእኩ። እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ኽብሪ፡ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ። ብገጸይውን ወደቕኩ። እቲ መንፈስ ከኣ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ እሞ፡ ኪድ ኣብ ቤትካ ተዐጾ፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ መእሰሪ ኺገብሩልካን ኪኣስሩኻን እዮም፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ኣይክትወጽእን ኢኻ። ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምእንቲ ኽትዕበስን፡ ዘላፊኦም ከይትኸውን ንሲ፡ ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ። ምስ ዝዛረበካ ግና፡ ንኣፍካ እኸፍቶ፡ ንስኻውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ዚሰምዕ ይስማዕ፡ ዚኣቢውን ይእበ። ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጡብ ውሰድ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፡ ማለት የሩሳሌም ስኣለሉ። ክቢ ኽበባ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕ፡ ዕርዲ ዕረዳ፡ ሰፈር ኣስፍረላ፡ ብዂሉ ዙርያኣ ድማ ደዓውል ግበር። ንስኻ ኸኣ መቚሎ ሓጺን ወሲድካ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፡ ክብብቲ ትኹን፡ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን። ደሓር ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፡ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፡ ክንዲ ቚጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ። ኣነ፡ ድማ ዓመታት ኣበሳኦም ብቚጽሪ መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ገይረልካ ኣሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ። እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ። ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣሎኹ። ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ። እንሆ፡ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፡ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ። ንስኻ ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ውሰድ፡ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፡ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፡ ብቚጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቕሰለን መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ። እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትበልዖ ኢኻ። ማይውን ብመስፈሪ፡ ሳድሰይቲ ኣፍ ሂን፡ ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትሰትዮ ኢኻ። ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፡ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደቂ እስራኤልሲ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፡ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም፡ በለ። ሽዑ ኣነ፡ ወዮ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፡ ፍንፋን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን፡ በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ ኣሎኹ፡ ብእኡ ጌርካ እንጌራኻ ኸተብስል ኢኻ፡ በለኒ። መሊሱውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ፡ ንማይ ከኣ ብመስፈርን ብትካዘን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሃደ ዀይኖም ኪትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪጠፍኡ እዮም፡ በለኒ። መሊሱውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ፡ ንማይ ከኣ ብመስፈርን ብትካዘን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሃደ ዀይኖም ኪትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪጠፍኡ እዮም፡ በለኒ። ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ፡ ከም መላጸ ላጽዪ ዝበለ ውሰድ እሞ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸየሉ። ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ጸጒሪ ምቐሎ። መዓልትታት ምኽባብ ምስ ተፈጸመ፡ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ። ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፡ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፡ ኣነ ድማ ደድሕሪኦም ሰይሪ ኽመልሕ እየ። ካባታተን ከኣ ሒደት ዝቚጽረን ውሰድ እሞ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛጽረን። ካብ እዚኣተን ከኣ መሊስካ ውሰድ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ድማ ደርብየን፡ ብሓዊውን ኣንድደን፡ ካብዚ ናብ ኲሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኺወጽእ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚኣስ የሩሳሌም እያ። ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታታ ኣንበርክዋ፡ ሃገራትውን ኣብ ከባቢኣ አሎ። ንፍርደይ ንዒቖም፡ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፡ ንሳ ብረሲእነት ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተጻረረቶ፡ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገር ገዲዳ ድማ ንሕጋጋተይ ኣፍረሰቶ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስኪ ስለ ዝዀንኩምን ከም ሕጋጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምንሲ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ፡ ኣነ እመጸኪ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከኣ ኣብ ማእከልኪ ፍርዲ ኸውጽእ እየ። ብሰሪ ዂሉ ጽያፍኪ ኸኣ፡ ገይረዮ ዘይፈልጥ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ዘይገብሮ፡ ክገብረኪ እየ። ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፡ ውሉድ ድማ ንወለዶም ኪበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽም፡ ንዂላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኲሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ብርግጽ ንመቕደሰይ ብዂሉ ፍንፋን ነገርክን ብዂሉ ጽያፍክን ኣርከስክዮ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ከንእሰኪ፡ ዓይነይ ብዘይ ድንጋጽ ካባኺ ኽመልስ ኣይክምሕረክንውን እየ። ሲሶኺ ብፌራ ኺሞቱ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም፡ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ፡ ነቲ ሃደ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኲሉ ንፋሳት ክዘርዎ፡ ደድሕሪኦምውን ሰይፈይ ክመልሕ እየ። ኲራይ ሃናኡ ኺወጽእ፡ ነድረይ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝሕል እዩ፡ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ። ነድረይ ኣባታቶም ምስ ኣዝሐልኩ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብጸዓተይ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዚሀልፉ ዂላቶምን ከኣ ምድረ በዳን መጻረፍን ክገብረኪ እየ። ብዂራን ብነድርን ብመዓት ነድርን ምስ ፈረድኩኺ፡ እዚ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት ንመጻረፍን ብመላገጽን ንመለበምን ንመሰክሕን ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ። ንጥፍኣቶም ዚኸውን ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላጻ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፡ ምእንቲ ኼጥፍኣኩም ክሰዶ እየ፡ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፡ ንምርኩስ እንጌራኹምውን ክሰብሮ እየ። ጥሜትን ንደቅኹም ዚቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፡ ፌራን ደምን ከኣ ብማእከልኪ ኺሐልፍ እዩ፡ ሰይፊውን ከተንስኣልኪ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን፡ በልውን፡ ኣትን ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዂርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ፡ እወ ኣነ ሰይፊ ኸም ጽኣልኩም፡ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ። መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ እቲ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪሰባበር፡ ነቶም ውጉኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣኦታትኩም ከውድቖም እየ። ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ። መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑን፡ ጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪፍለጽ፡ ስራሕኩም ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ኪዖንዋ እየን፡ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ። ተወጊኦም ዚሞቱ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኺህልዉኹም እዮም፡ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሐድገልኩም እየ። እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፡ ነተን ኪዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዚኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፡ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ኪዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዂሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ኪፍንፍኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኢድካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ኸኣ ኰርደብ ደብ በል፡ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኲሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፡ እየ፡ ወዮ፡ በል። እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቊጥዓይ ኣባታቶም ክፍጽም እየ። እቶም ውግኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ በረኽቲ ዂድዂዶታት፡ ኣብ ኲሉ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ገረብ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፡ ኣብ ማእከል እቲ ንዂሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዐጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰኑ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኣነ ኸኣ ኢደይ ክዝርግሓሎም እየ፡ ነታ ሃገር ድማ፡ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፡ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ መወዳእታ፡ ናይ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ። ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፡ ቊጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፡ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፡ ኲሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ። ዓይነይ ኣይኪንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሓልክን፡ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽይፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መዓት፡ በይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መዓት እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። መወድእታ መጸ፡ እቲ መወዳእታ መጸ፡ ተላዕለኪ፡ እንሆ ይመጽእ ኣሎ። ኣታ ኣብ ሃገር እትነብር ዘሎኻ፡ ተራኻ መጸካ። እቲ ጊዜ በጽሔ፡ እልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስማዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት። ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡ ሃና ቚጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፡ ከም መጠን መገድኺ ኽፈርደኪ፡ ንዂሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርድዕ እየ። ዓይነይ ኣይኪንሕፍን እዩ፡ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፡ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዚወቅዕ ዘሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። እንሃ እታ መዓልቲ፡ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሔ። እታ ሸቦጥ ዐምበበት፡ ትዕቢት ከኣ ጠጥዔ። ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፡ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዚተርፍ ሓደ እኳ የሎን። ዘመን በጺሑ፡ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ። ጒሁር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፡ ዚወየጥ ኣይተሐጐሰ፡ ዚሸይጥውን ኣይጒሄ። እቲ ዚሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፡ ናብቲ ዝሸጦ ኣይኪምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይኪምለስን እዩ እሞ፡ ብዓመጽ ዚነብርሲ ንህይወቱ ዜጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን። መለኸት ተነፍሔ፡ ኲሉ ኸኣ ተዳለወ፡ ቊጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፡ ኣብ ውግእ ዚኸይድ ሓደ እኳ የልቦን። ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን ኣሎ። እቲ ኣብ መሮር ዘሎ ብሰይፊ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ኪውሕጦ እዩ። እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግብታት ሽንጭሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፡ ኣብ ኣኽራን ኪዀኑ እዮም። ኲለን ኣእዳው ኪሕለላ፡ ኲለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ኪፈሳ እየን። ከሊ ኺዕጠቑ፡ ራዕዲ ኪኽደኑ፡ ኲሉ ገጽ ብሕንኪ ኺጒልበብ፡ ኲሉ ርእስታቶም ድማ ኪበርሕ እዩ። ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን፡ ንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፡ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ። መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፡ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዜፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ። ዘመተ ኪኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ምርኮ ኪኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም። ካባታቶም ገጸይ ከመልስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ኬርክስዎ፡ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኬርክስዎ እዮም። እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለት ደመ ነፍሲ መሊኣ ኣላ፡ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመጽ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ሞቚሕ ኣዳሉ። ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፡ እዚኣቶም ኣባይቶም ኪወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፡ መቓድሶም ከኣ ኪረኽሳ እየን። ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ሰላማ ኪደልዩ እዮም፡ ኣይርከብን ከኣ። መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ኪመጽእ፡ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ኪኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ኪደልዩ፡ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኺጠፍእ እዩ። እቲ ንጉስ ኪትክዝ፡ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ኪኽደን፡ ኣእዳው እቶምህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ኪብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፡ ከከም ዚግብኦም ካ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም። ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፡ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸሎኹ፡ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት። ሽዑ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ፡ ካብቲ ምስሊ ሕቚኡ ንታሕቲ ሓዊ፡ ካብ ሕቚኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዜንጸባርቕ ኣስራዝን ዚመስል እዩ። ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፡ ብጸጒሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒ፡ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒ፡ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፡ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ፡ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፡ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ። እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኤኽዎ ትርኢት፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፡ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ ኣሎኻ ኣነ ኻብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ ኣሎኻ ኤረ ገና ኻብዚ ዚዐቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ። ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጸድ ወሰደኒ፡ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኤኹ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኲዐቶ፡ በለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኰዐትክዎ ድማ፡ እንሆ፡ ኣፍ ደገ ረኸብኩ። ንሱውን፡ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮ፡ በለኒ። ኣቶኹን፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኹሳት እንስሳን ኲሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ። ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፡ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ። ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፡ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፡ ኢሎምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮም ኣሎኻ፡ በለኒ። ንሱ ኸኣ፡ ኤረ ኻብዚ ዚገድድ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ። ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጦን ንተሙዝ ይበኽያሉይ ነበራ። ሽዑ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዮዶ ገና ኻብዚ ዚገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ። ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዶ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ፡ መመሊሶም ድማ ኲራይ ዘለዓዕሉስ፡ ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ እንሆ፡ ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ፡ በለኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፡ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፡ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰምዖምን እየ። ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፡ እቶም ነታ ኸተማ ዚቐጽዑስ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዜጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። እንሆ ድማ፡ ሹድሽተ ሰብኣይ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ላዕላይ ደገ መጹ። ሓደ ሰብኣይ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናብ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዕለ፡ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብማእከል ከተማ፡ ብማእከል የሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጒህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፡ በሎ። ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፡ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሐሊፍኩም ውቕዑ፡ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሐፍ ኣይትራሕርሑውን። ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጒባዝን ንጐረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፡ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ። ንሱ ድማ፡ ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎ፡ ውጹ፡ በሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ኪወቕዑ ኸለዉ፡ ኣነ ተረፍኩ። ብገጸይ ወደቕኩ እሞ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ኲዒኻዶ ንዂሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ ኢለ ጨራሕኩ። ንሱ ድማ በለኒ፡ ኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ፡ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እሮኡ፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ እታ ሃገር ብደም፡ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊኤን ኣለዋ። ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣነ ኣይክርሕርሕን፡ መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዝነበሮ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ፡ ኢሉ ጸብጻቡ ሀበ። ሽዑ ጠመትኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣበ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለዉዎ ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮም ኰይኑ፡ ትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ልዕሊኦም ተገልጸ። ንሱ ኸኣ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎ እቲ መንኰርዂር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፈሓም ድማ በእዳውካ ሐፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሓዮ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን እናርኤኽዎ ኣተወ። እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ደበና ኸኣ ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዕለ ናብ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። እታ ቤት ድማ ብደበና መልኤት፡ እቲ ኣጸድውን ብባና ኽብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ። ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ፡ ከም ድምጺ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዀይኑ፡ ክሳዕ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ ተሰምዔ። ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዂር፡ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፡ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፡ ንሱ ኣተወ ኣብ ጥቓ መንኰራዂር ድማ ቘመ። እቲ ኪሩብ ድማ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፡ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ድማ ኣንበሮ። ንሱውን ተቐቢልዎ ወጸ። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ኢድ ሰብ ዚመስል ተራእየ። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዂር፡ ሐሓንቲ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ኽሪሶሊት ነበረ። ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፡ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ። ኪኸዱ ኸለዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዚኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ። ኲሉ ስጋኦምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዂርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዂሮምን ብዂሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ፡ ነቲ መንኰራዂር ከኣ፡ ኣነ እናሰማዕኩ፡ ኣንኰርኰርቲ ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፡ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ። እቶም ኪሩቤል ከኣ ተላዕሉ፡ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም። እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ድማ ጐጐብኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ኺለዐሉስ ኣኽናፎም እንተ ዘርግሑ፡ እቲ መንኰራዂርውን ካብ ጥቓኦም ኣየግልስን ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኦም ስለ ዝነበረ፡ እቲኣቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ እዚ ድማ ደው ይብል ነበረ፡ እቲኣቶም ኪለዐሉ ኸለዉ፡ እዚውን ይለዐል ነበረ። ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወጸ፡ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከኣ ቘመ። እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ኪነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዂር ብጥቓኦም ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፡ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። እዚኦም ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለሌኽዎም። ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከኣ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም። መልክዕ ገጾም ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ገጽ ነበረ፡ ትርኢቶም ከምኡ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ። መንፈስ ኣልዐለኒ፡ ናብቲ ወገን ምብራቕ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ ኣብቲ ደገ ኣፍ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ነበሩ፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ነቶም መሳፍንቲ ህዝቢ፡ ያኣዛንያ ወዲ ዓዙርን ፈላጥያ ወዲ በናያን ርኤኽዎም። በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዚጠልፉ፡ እኩይ ዚመኽሩ ሰባት እዮም። ንሳቶም ድማ፡ ኣይቀረበን፡ ኣባይቲ ንስራሕ፡ ንሳ ድስቲ እያ፡ ንሕና ኸኣ ስጋ ኢና፡ ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ በለኒ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፡ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሃት ቀተልኩም፡ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩምዋ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በለኒ። መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፡ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሃት ቀተልኩም፡ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩምዋ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በለኒ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ኣብ ማእከላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፡ ንሳቶም ስጋ እዮም፡ ንሳ ኸኣ ድስቲ እያ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ማእከላ ኽትወጹ ኢኹም። ሰይፊ ፈራህኩም፡ ሰይፊ ድማ ከምጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ማእከላ ኸውጽኣኩም፡ ናብ ኢድ ጓኖት ከኣ ከሕልፈኩም፡ ፍርዲውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ። ብሰይፊ ኽተወድቁ ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይክትኰነልኩምን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ማእከላ ስጋ ኣይክትኰኑን ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ። ንስኻትኩምሲ ፍርዲ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፡ ፍርደይ ከኣ ኣይገበርኩምን እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኰነ ኸኣ፡ ኣነ ኽንበ ኸሎኹ፡ ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ። ሽዑ ብግምባረይ ተደፊኤ ዓው ኢለ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ትርፎፍያ እስራኤልዶ ብጥራስ ከተጥፍኦም ኢኻ ኢለ ጨራሕኩ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መጸ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እዮም ነሕዋትካ፡ እወ ነሕዋትካ፡ ነቶም ኣዝማድካን ንቤት እስራኤል ዘበሉ ዂሎምን፡ ካብ እግዚኣብሄር ርሐቑ፡ እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ። ዝበልዎም። ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ናብ ማእከል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሐቕክዎም፡ ኣብ ማእከል ሃገራትውን እንተ ዘሮኽዎም፡ ኣብቲ ዘዚመጽዎ ሃገራት ንቕሩብ ጊዜ መቕደስ ክዀኖም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። ስለዚ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፡ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። ናብኣ ኸኣ ኪመጹ እዮም፡ ኲሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዜስገድግድ ነገራት ኲሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኼርሕቅዎ እዮም። ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ንፍርደይ ከኣ ኪሕልዉን ኪገብርዎን፡ ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕደረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናብ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናብ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ንፍርደይ ከኣ ኪሕልዉን ኪገብርዎን፡ ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕደረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናብ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናብ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ግናኸ እቶም፡ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፋናት ነገሮምን ጽያፎምን ዚስዕብስ፡ መገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዐሉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ ጐጐብኦም ነበረ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል እታ ኸተማ ተላዕለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ። መንፈስ ድማ ኣልዐለኒ፡ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፡ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ካብ ቅድመይ ህልም በለ። ኣነ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ዂሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፡ ዘይሰምዑ እዮም። ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም ስደተኛ ዄንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጒዐዝ። ከምቲ ተበትብ ስደት፡ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኴንካ፡ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ። ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኲሎ፡ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ። ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኲብካ ጹሮ፡ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፡ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትርእያ። ገጽካ ተዐመት። ከምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፡ ንተበትበይ፡ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፡ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፡ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ መንኲበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ። ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እዛ ዓላዊትሲ ቤትሲ፡ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዂሎም ቤት እስራኤልን እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፡ በልውን፡ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፡ ከምእች ኺገብርዎም እዮም፡ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም። እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፡ ኣብ መንኲቡ ጾይሩ፡ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ። ምእንቲ ኼውጽእዎስ፡ ነቲ መንደቕ ኬንኲልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ። መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፡ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጽኦ እየ፡ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ። ንዂላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዂሎም ሰራዊቱን ናብ ኲሉንፋሳት ፋሕ ከብሎም፡ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ። ኣብ ምእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ካባታቶም ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኲሉ ፍንፋን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፡ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ። ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሃገር እስራኤል፡ ዘመን ይነውሕ፡ ራእይ ዘበለ ዂሉውን ይጠፍእ ኣሎ፡ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ ስለዚ በሎም፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎን እዮም። ንስኻ ግና፡ ዘመንን መፈጸምታ ዂሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፡ ኢልካ ደኣ ንገሮም። ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ኣነ እየ ዝዛረብ። እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጒን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፡ እገብሮውን ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቤት እስራኤልሲ፡ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፡ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፡ ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጒን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤል ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ነቶም ካብ ልቦም ሀንዲሶም ዚንበዩ ዘለዉውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካ ንገሮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦም፡ ይብል ኣሎ። ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም። በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፡ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፡ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን። እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፡ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፈዉ፡ ከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ። ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኰነን ዝርኤኹምዎ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከንቱነት ስለ እተዛበርብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፡ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም ኣለኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት ተጻሪታቶም ኣላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፡ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፡ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ኣሎ፡ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሐትዎ፡ እወ ስለ ዘስሐትዎ፡ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ፡ እንሆ፡ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ ኣለዉ። ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዚልቅልቅዎስ፡ ኪወድቕ እዩ፡ በሎም። ዚደማስስ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ኣቱም ኣእማን በረድ፡ ክትወድቁ ኢኹም፡ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ። እንሆ፡ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፡ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይኪብሉኩምን እዮም ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፡ ብዂራይ ድማ ዚደማስስ ዝናም ከዝንም፡ ብነድረይውን ዜጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ። ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንድላቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ኪብል እዩ። ንሱ ኺወድቕ እዩ፡ ንኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ክወጸሎም እየ። ኣነ ድማ፡ እቲ መንደቕ የሎን፡ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን፡ ክብለኩም እየ። ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዚንበዩ፡ ሰላም ዜልቦስ ራእይ ሰላም ዚርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሃንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን፡ ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፡ እተን መኼዳ ንዂሉ ዂርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶም ኲሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፡ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገር። ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፡ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግብኤን ነፍሳት ከኣ ህይወተን እናኣድሐንክን፡ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እናሐሶኽናሉ፡ ምእንቲ ዕሙኺቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን ኣማዕኹ፡ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደን፡ ነተን ነፍሳት፡ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍሳት ሓራ ኸውጽኤን እየ። ነቲ መጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፡ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖም እየ፡ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን። ንልቢ እቲ ጻድቕ፡ ኣነ ኽሕዝኖ ዘይደሌኹስ፡ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፡ እቲ ረሲእ፡ ካብ መገዲ ረሲእነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፡ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፡ ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፡ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን። ሓያሎ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፡ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቚሞምዎ ኣለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ ስለዚ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፡ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ኣብ ነብዪውን ዚመጽእ ዘበለ፡ ኲላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፡ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። ስለዚ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፡ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ኣብ ነብዪውን ዚመጽእ ዘበለ፡ ኲላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፡ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። ስለዚ ንቤት እስራኤል በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተመለሱ፡ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ካብ ኲሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ። ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዚርሕቕ፡ ንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ንኣይ ኪሐተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዚመጽእ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ገጸይ ክመልሰሉ፡ ንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፡ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፡ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፡ ነቲ ምርኩስ እንጌር ድማ እንተ ሰበርኩላ፡ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፡ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፡ እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፡ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፡ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር እንተ ፈኖኹ፡ እዞም ሰለሰተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፡ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት። ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኼጽንትሲ፡ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፡ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፡ እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፡ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን። ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፡ ቊጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፡ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን፡ እንሆ፡ ዜውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተረፍ ኬምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፡ ንሳቶም ናባኻትኩም ኪመጹ እዮም፡ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፡ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዂሉን ክትጸናንዑ ኢኹም። ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርኤኹም፡ ንምጽንናኦኩም ኪዀኑ እዮም። ኲሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኦም ወይኒ፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፡ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፡ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፡ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም እንሆ፡ ሞዂ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፡ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፡ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ እንሆ፡ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፡ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዂ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፡ ካብ ሓዊ ወጹ፡ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ስለ ዝጠለሙ፡ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ ኢልካውን በላ። ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፡ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፡ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ። ብናይ ምውላድክስ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፡ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸበክን፡ ብጨው ኣይተቐባእክን፡ ኣይተጠቕለልክንውን። በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፡ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ድኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺገብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃት ቊሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን። ብኣኺ ሐለፍኩ፡ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፡ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ። እወ፡ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ። ከም ብቚሊ ግርሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፡ ዓቤኺ፡ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕሊ፡ ኣጥባት ገበርኪ፡ ጸጒርኺውን በቘለ፡ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ። ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፡ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፡ ኪዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄ ኣምላኽ። ብማይ ሐጸብኩኺ፡ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፡ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፡ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፡ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፡ ብሃሪውን ከደንኩኺ። ብስልማት ሰለምኩኺ፡ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፡ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፡ ኲትወ ኣብ ኣእዛንኪ፡ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፡ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፡ ኲእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፡ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ። በቲ ኣነ ዝሰለምኩኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፡ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፡ ይብል እግዚኣህቤር ኣምላኽ። ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፡ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፡ ንማን ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፡ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ። ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፡ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይኪግበርን ከኣ እዩ። እቲ ኣነ ዝሀብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዐልኪ፡ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፡ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ። ክዳን ወርቀ ዞቦኺ ኣልዒልኪ ከደንክዮም፡ ዘይተይን ዕጣነይን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረብኪ። ነቲ ኣነ ዝሀብኩኺ እንጌራይ፡ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ዂእኩእ ሓርጭ ስራናይን ዘይትን መዓርን ንመኣዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኦም ቀረብክዮ። እዚ ተገይሩ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ካ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፡ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፡ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ካ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፡ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፡ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ ኣብ ኲሉ ጽያፍክን ምንዝርናኽን ከሎኺ፡ ነቲ ጥራይክን ዕርቕትን ኴንኪ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን። ድሕሪ ዂሉ እዚ ኽፍኣትኪ፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ብዂሉ መተሓላለፍ መገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኪ። ኣብ ኲሉ ወሰን መገዲ ኽብ ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፡ ንመልክዕኪ ኣፈንፈንክዮ፡ ንዂሉ ሓላፍ መገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርኤኺ፡ ምንዝርናኺውን ኣብዛሕኪ። ምስቶም ስጋኦም ዝገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፡ ኲራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ። ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፡ ንመግብኺ ኸኣ ኣጒደልክዎ፡ ንፍቓድ እተን ዚጸልኣኺ፡ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ። ኣይጸገብክን እሞ፡ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፡ ኣይጸገብክን ከኣ። ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ፡ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን። ኲሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኲሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ኣብ መተሓላለፊ መገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፡ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፡ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኲሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኲሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ኣብ መተሓላለፊ መገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፡ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፡ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣብ ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እትፈቱ ዘማዊት ሰበይቲ ዀንኪ። ንዂለን ኣመናዝር ህያባት ይወሀበን፡ ንስኺ ግና ንዂሎም ፈተውትኺ ህያባት ሀብክዮም። ካብ ኲሉ ወገን መጺኦም ምሳኺ ኺዝምዉ ብህያብ ሐባበልክዮም። ንምምንዛር ዚስዕበኪ ዜብልክስ፡ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ። ንስኺ ኣብ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ህያብ ምቕባልሲ፡ ምእንቲ ኸተመንስሪ ህያብ ሀብኪ፡ ካልኦት ዘይገበራኦ ገበርኪ። ስለዚ፡ ኣቲ ዘማዊት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፡ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዔ፡ ብሰሪ ዂሎም እቶም ፍንፋናት ጣኦታትክን፡ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን፡ ስለዚ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፡ ንዂሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዂሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኲሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፡ ኲሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ። ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፡ ናይ ነድርን ናይ ቅንኣትን ደም ከውርደልኪ እየ። ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኼፍርሱ፡ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኪፍንጥሱ፡ ክዳውንትኺ ኺገፉ፡ ጽቡቕ ስልማትኪ ኪቕንጥጡ፡ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ብዘይ ሰብ ናብኺ ኼውጽኡ እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኺ፡ ብሰይፎም ድማ ኪቘራርጹኺ እዮም። ነባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኪፈርዱኺ እዮም፡ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፡ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይክትህብን ኢኺ። በዚ ኸምዚ ሃና ነድረይ ክወጸልኪ፡ ቅንኣተይ ከኣ ኪርሕቀልኪ እዩ፡ ክሀድእ ብድሕርዚውን ኣይክዂርን እየ። ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘክርክን፡ ብዂሉ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣዀሪኽኒ ኢኺ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነውን፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ጽያፍኪ እዚ ነውሪ እዚ ኸይትውስኽስ፡ መገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እንሆ፡ እቶም ዚምስሉ ዂላቶም፡ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፡ ኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም። ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝጸልኤት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝጸልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት፡ ኣቦኺ ኸኣ ኣሞራዊ ነበረ። እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ጸጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓብትኺ ሰማርያ እያ፡ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ ሶዶም እያ። ንስኺ ግና ብመገደን ኣይከድክን፡ ከምቲ ፍንፋን ነገረን ከኣ ኣይገበርክን። እዚ ቐሊሉክስ፡ ብዂሉ መገድኺ ደኣ ኻብኤን ገደድኪ። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሶዶም ሓብትኺ፡ ንሳን ኣዋልዳን፡ ከምቲ ንስኽን ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። እንሆ፡ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፡ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፡ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን። ዕቡያት ነበራ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፋን ነገር ገበራ፡ እዚ ምስ ርኤኹ ድማ ኣጥፋእክወን። ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብኤን ኣብዛሕኪ፡ ብዂሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን። ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰከሚ። በቲ ኻብኤን ዚረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፡ ሕፈሪ ነውርኺውን ጹሪ። ነውርኺ ኽትጾሪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ዂሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፡ ምርኮኤን፡ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፡ ምርኮ ሰምርያን ኣዋልዳን፡ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ። ነውርኺ ኽትጾሪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ዂሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፡ ምርኮኤን፡ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፡ ምርኮ ሰምርያን ኣዋልዳን፡ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ። ኣሓትኪ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፡ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፡ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብቲ ቀደም ሃለዋትክን ክትምለሳ ኢኽን። ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂሎምን፡ በተን ኣብ ኲሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜ፡ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፡ በቲ መዓልቲ ዂርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቚሔትን። ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂሎምን፡ በተን ኣብ ኲሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜ፡ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፡ በቲ መዓልቲ ዂርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቚሔትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፡ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሩ ኣሎኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፡ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሩ ኣሎኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኽዎ ኺዳን ክዝክሮ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ከጽንዓልኪ እየ። ነሓትኪ፡ ነተን ካባኺ ዚዐብያን ዚንእሳን ኣሓትኪ፡ ክትቅበልየን ከሎኺ፡ ብኺዳንኪ ዘይኰነስ፡ ኣዋልድኪ ኪዀና ኽህበኪ ኸሎኹ፡ ሽዑ መገድኺ ኽትዝክርን ክትሐፍርን ኢኺ። ኲሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፡ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሐንኪ፡ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ከቶ ኸይትኸፍትስ፡ ኪዳነይ ኬጽንዓልኪ እየ፡ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኲሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፡ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሐንኪ፡ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ከቶ ኸይትኸፍትስ፡ ኪዳነይ ኬጽንዓልኪ እየ፡ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣታ ወዲ ሰብ። ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮም፡ ምስላውን መስለሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ተዛረብ፡ ገዚፍ ዘኽናፉ፡ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፡ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሊባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ። ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፡ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ። ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፡ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፡ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሐዛ። ንሳ ዐበየት፡ ጨናፍራ ናብኡ ዘበለ፡ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፡ ሓጺር ዝጒንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርን፡ ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት። ገዚፍ ዝኽንፉ፡ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፡ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፡ ንሱ ማይ ኬስትያ ኢላ፡ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱር ዘርግሔት፡ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት። ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ፍረ ኸተፍሪ፡ ክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፡ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት። በል ድማ፡ ክትልምዕዶ እያ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽሲ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን፡ ፍሪኣኸ ኣይኪቚረጽን እዩ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዂሉ ቘጽልስ ኣይኪነቅጽን ድዩ ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ። እንሆ፡ ምትካልሲ ተተኺላ ኣላ፡ ክትልምዕዶ እሞ እያ ንፋስ ምብራቕ ምስ ተንከያስ፡ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅጽ እያ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ እምበኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም በሎም። ንገሮም ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ፡ ንንጉሳን መሳፍንታን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን ማረኾም። እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፡ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፡ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርውን ምስኡ ወሰዶም። እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፡ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፡ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርውን ምስኡ ወሰዶም። ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዐለወ፡ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ኪህብዎ ልኡኻቱ ናብ ግብጺ ሰደደ። ኪሰልጦዶ እሞ እዩ ከምዚ ዝበለ ዚገብርሲ ኼምልጥዶ እዩ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዚነብረላ ዘሎ ቦታ፡ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ፡ ኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፡ ምስኡ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኺመውት እዩ። ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኺዐርዱን ግምቢ ኺሰርሑን ከለዉ፡ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኦን እዩ። ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፡ ኢድ ጠቒዑስ እዚ ዂሉ ገይሩ እዩ እሞ፡ ኣይኬምልጥን እዩ። ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቲ ዝነዐቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፡ ብመፈንጠራይ ከኣ ኪተሐዝ እዩ፡ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፡ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዐመጽሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ። ኲሎም ህዱማቱ ምስ ኲሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኲሉ ንፋሳት ኪዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ ካብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብቲ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ፡ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ። ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን፡ ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኲለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናፍራ ኺነብራ እየን። ኲለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዝበለት ኦም ከኣ ክብ ዘበልኩ፡ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፡ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጣዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፡ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ፡ ኢልኩም እትምስሉ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም። እንሆ፡ ኲለን ነፍሳት ናተይ እየን፡ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ። ጻድቕ ሰብ እንተሎ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡ ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቊሊሕ እንተ ዘይበላ፡ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዘየራኸሰ፡ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፡ ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዔ፡ ንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፡ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዐመጸ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ እንተ ሀበ፡ ንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፡ እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፡ ኢዱ ኻብ ዓመጽ እንተ ኸልከለ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፡ ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰ፡ ጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ግናኸ ንሱ ዓማጺ፡ ከዓው ደም፡ ካብዚ ነገረ እዚ ኸኣ ሓደ ግዛዕ ዚገብር ውሉድ እንተ ወለደ፡ እዚ ዂሉ ዘይገብር፡ ኣብ ኣኽራን ዚበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፡ ንነዳይን ንድኻን ዚገፍዕ፡ መንዚዑ ዝወስድ፡ ታሕዚ ዘይመልስ፡ ኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታኤን፡ ፍንፋን ነገር ዚገብር፡ ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፡ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ ያእ፡ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዂሉ ፍንፋን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፡ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፡ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣት ዚርእን ዚፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፡ ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቊሊሕ ዘየብል፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡ ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ታሕዚ ዘይሕዝ፡ መንዚዑ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዜብልዕ፡ ንዕሩቕውን ክዳን ዚኸድን፡ ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስ፡ ሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድ፡ ፍርደይ ዚገብር፡ ብሕገይ ዚመላለስ፡ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፡ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ። ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድኤ፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፡ እንሆ፡ ብኣበሳኡ ኺመውት እዩ። ንስኻትኩምሲ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውር ትብሉ ኣሎኹም። እቲ ወዲ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዂሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲውን ኣበሳ ውሉዱ ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን፡ ረሲእነት እቲ ረስእ ድማ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ኲሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፡ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ። ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ ፍታወይሲ ኻብ መግዱ ኺምለስ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ እንተ ኣበሰ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዂሉ ፍንፋን ነገር እንተ ገበረስ፡ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። እምበኣርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስምዑ፡ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑጵ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፡ እንተ ኣበሰ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዝመውት። ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ኬንብራ እዩ። ካብ ኲሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን እዩ። ግናኸ ቤት እስራኤልሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ካንዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተመለሱ፡ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኲሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ ዝገሀስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ እትሞቱ ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፡ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፡ በል ድማ፡ ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት። ኣብ ማእከል ኣናብስ ተጋደመት፡ ኣብ ማእከል ሽደናት ኣናብስ ንዀራኲራ ኣዕበየት። ሓደ ኻብቶም ኰራኲር ኣዕበየት፡ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ። ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፡ ኣብ ጒድጓዶም ከኣ ተታሕዘ፡ ሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ። ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡ ተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፡ ካብ ኰራኲራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፡ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት። ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፡ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ። ኣዳራሻቶም ገሰሰ፡ ከተማታቶም ኣዕነወ። እር ኢሉ ምስ ጓዘመ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ራዕራዕ በለ። ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉ፡ መርበቦም ዘርግሑሉ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ተጋሕዘ። ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ። ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፡ ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ። ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት። ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ዀነት። ንዘንጊ መንግስቲ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽኤት፡ ጒንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣቛጽል ነውሔ። ነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፡ እትርኤ ዀነት። ግናኸ ብቚጥዓ ተመንቈሰት፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየት፡ ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ። ድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸን፡ ሓዊውን በልዖ። ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ደረቅ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ። ካብ ጨናፍር ሓረጋ ሓዊ ወጸ፡ ፍሪኣ ኸኣ ሞዂ ኣበለ። ዘንጊ ገዛኢ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፡ ከም ድጒዓ ትድጓዕ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብቲ ሓምሳይ ወርሒ ሓያሎ ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኪጥይቑ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ ክትሐቱኒዶ መጺእኩም ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ብኣኻትኩም ኣይሕተትን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም። ክትፈርደሎም ዲኻ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርደሎም ዲኻ ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም። በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንእስራኤል ዝሐሬኹላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ኢደይ ኣልዐልኩ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ድማ ተገለጽኩሎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ኢለውን ኢደይ ኣልዐልኩሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፡ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓር ዚውሕዛ፡ ካብ ኲለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ከእትዎም፡ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ኣነ ኸኣ። ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢ፡ ብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ በልክዎም። ንሳቶም ግና ተጻረሩኒ፡ ምስማዔይ ከኣ ኣበዪ፡ ነፍሲ ወከፎም ጽያፍ ዓይኑ ኣይደርበየን፡ ጣኦታት ግብጺውን ኣይሐደገን። ሽዑ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ ሃና ዂራይ ክወጸሎምሲ፡ ነድረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ እየ፡ በልኩ። ግናኸ እዚ ዝገበርክዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ እሞ ኣነ ንኣታቶም ካብ ሃገር ግብጺ ብምውጽኤይ ኣብ ቅድሚኦም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት፡ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። ካብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ኣውጻእክዎም፡ ናብ በረኻውን ኣምጻእክዎም። ሕጋጋተይ ሀብክዎም፡ ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፡ ሰናብተይ ሀብክዎም። ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣበይዎ፡ ንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲ፡ ነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ። ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፡ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፡ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኲላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፡ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፡ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኲላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ግናኸ ዓይነይ ነሐፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፡ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን። ኣብ በረኻ ኸኣ ንደቆም፡ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፡ ፍርዶም ድማ ኣይትሐልዉ፡ ብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱ፡ በልኽዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱ፡ ፍርደይ ከኣ ሐልዉ ግበርዎውን። ንሰናብተይ ቀድሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን። ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፡ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፡ ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ኪገብርዎ ኢሎም ኣይሐለውዎን፡ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቚጥዓይ ክወጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፡ በልኩ። ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፡ ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት፡ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። ሕጋጋተይ ኣበዩ፡ ንሰናብተይ ኣርከሱ፡ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፡ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፡ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፡ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ሕጋጋተይ ኣበዩ፡ ንሰናብተይ ኣርከሱ፡ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፡ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፡ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፡ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፡ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ከባድሞም ኢለ፡ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዂሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስዎም። ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በዚ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ። ናብታ ኽህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ሃገር ምስ ኣእቶኽዎም፡ ኣብኡ ንዂሉ በሪኽ ኲርባን ንዂሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፡ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፡ ኣብኡ ኸኣ ዜዀሪ መባእ ኣቕረቡ፡ ኣብኡ ድማ ጥዑም መኣዛኦም ዐጠኑ፡ ኣብኡውን መስዋእቲ መስቲኦም ከዐዉ። ኣነ ኸኣ፡ እዚ ናብኡ እትኸድዎ ዘሎኹም በሪክ እንታይ እዩ በልክዎም። በዚ ኸምዚ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ባማ ይሰምይዎ ኣለዉ። ስለዚ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ንስኻትኩም ከም መገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፡ ነቲ ፍንፋን ነገሮም እናሰዐብኩም ዘሞኹም። መባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ሎሚ ብዂሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክሕተት እየ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ። ንሕና፡ ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን፡ ንዕጭን እምንን ከነምልኽ፡ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላሕ ዚብለኩም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ርግጽ ክነግሰኩም እየ። ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ካብቶም ህዝብታት ከውጽኣኩም፡ ካብቲ እተዘሮኹምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ። ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ክወስደኩም፡ ኣብኡውን ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ኽንኣቱ ኢና። ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ሃገር ግብጺ እተፋረድኩ፡ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋራርድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፡ ናብ መኣስር ኪዳን ከኣ ከእትወኩም እየ። ነቶም ካባይ ዝዐለዉን ዝኸድዑን ካባኻትኩም ክፈልዮም ካብቲ ጓና ዀይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከኣ ከውጽኦም እየ። ግናከ ናብ ሃገር እስራኤልሲ ኣይኪኣትዉን እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስማዕ ካብ ኣቤኹምንስ፡ ኪዱ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣኦታትኩም ኣምልኹ። ድሕርዚ ግና ንቅዱስ ስመይ ብመባእኩምን ብጣኦታትኩምን ኣይከተርክስዎን ኢኹም። ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ፡ ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል፡ ቤት እስራኤል ዘበሉ ዂሎም ኣብታ ሃገር ኬምልኹኒ እዮም። ኣብኡ ተሐጒሰ ክቕበሎም እየ፡ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዂሪ እቶም መባእኩምን ምስ ኲሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ህዝብታት ምስ ኣውጻእኩኹም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፡ ከም ምኡዝ ሽታ ብኣኻትኩም ባህ ክብል፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ህዝብታት ከኣ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ። ንስኻትኩምውን፡ ናብ ሃገር እስራኤል፡ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩሉ ሃገር ምስ ኣእቶኹኹም፡ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡ ኸኣ ንመገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፡ በቲ ዝገበርኩምዎ ዘበለ ዂሉ እከይ ድማ ነፍስኹም ኬስካሕክሕ እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ እኩይ መገድኹምን ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገስካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፡ ናብ ደቡብ ከኣ ቃልካ ኣንጠብጥብ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር መሮር ድማ ተነበየሉ። ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣባኻ ሓዊ ኽኣጒድ እየ፡ ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዂለን ጥሉላት ኣእዋምን ንዂሉ ንቑጻት ኣእዋምን ሞዂ ኬብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይኪጠፍእን፡ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከኣ ኲሉ ገጽ ብእኡ ኺነድድ እዩ። ኲሉ ስጋውን፡ እቲ ዝኣጐዶስ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፡ ኪርኢ እዩ። ኣይኪጠፍእን እዩ። ሽዑ ኣነ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶም ብዛዕባይ፡ እዝስ ምስላታት እዩ ዚምስል፡ ይብሉ ኣለዉ፡ በልኩ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፡ ቃልካ ኸኣ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብ፡ ንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ። ነታ ሃገር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገራ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰንገባኡ ኽመልሖ፡ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ። ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፡ ስለዚ ንዂሉ ስጋ ኺወቅዕ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኺምላሕ እሮኡ። ስጋ ዘበሉ ዂሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ፡ ኪፈልጡ እዮም፡ ኣይኪምለስን ድማ እዩ። ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቈዝም፡ ብምስባር ሓቛቚኻ፡ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንታይ ኴንካ ትቚዝም ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ፡ በቲ ዝመጽእ ወረ ዂሉ ልቢ ኺመክኽ፡ ኲለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ፡ ኲሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል፡ ኲሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ፡ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ኪፍጸም ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በልውን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፡ በል። ምእንቲ ኺሐርድ በሊሑ፡ ምእንቲ ማሕማሕ ኪብል ተወልዊሉ። እምበኣርሲ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና በትሪ ወደይ ንዂለን ኣዕጻው ትንዕቀን ኣላ። ብኢድ ምእንቲ ኺተሐዝ፡ ኪውልውል ሀቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኺውፈ፡ ተሳሕለን ተወልወለን። ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኲሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ጨርሕ፡ ዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፡ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ። ምዕዛብ መጸ፡ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፡ እንታይ ደኣ እዩ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይካዕበት፡ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዝቘሰሉ፡ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዚኣቱ። ልቦም ምእንቲ ኺመክኽ፡ ዕንቅፋቶም ከኣ ኪበዝሕሲ፡ ኣንፊ ሰይፊ ናብ ኲሉ ኣፍደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፡ ከም በርቂ መስመስ ይብል፡ ኪሐርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ ኣሎ። ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ። ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፡ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ። መሊሱውን ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሐልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበር፡ ክልቲኤን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፡ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ። ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፡ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ የሩሳሌም ኪመጽእስ፡ መገዲ ኽትገብር ኢኻ። እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኺጥንቊል፡ ኣብታ ቓራና መገዲ፡ ኣብ ርእሲ ኽልቲኤን መገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፡ ፍላጻታት የነኒ፡ ንጣኦታት ቤቱ ይጥይቕ፡ ከብዲ ይጥምት ኣሎ። ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኺተክል፡ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ኪኸፍት፡ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኺጭድር፡ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ኼቕውም፡ ሓመድ ኲዒቱውን ዕርዲ ኺነድቕሲ፡ ኣብ የማነይቱ ናብ የሩሳሌም እተመልክት ዕጭ ኣላቶ። ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፡ እዚ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኺረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፡ ምእንቲ ኺትሐዙ፡ ኣበሳኦም ኬዘክር እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ገበንኩም ተቐሊዑ፡ ሓጢኣትኩም ብዂሉ ግብርኩም ብምርኣዩ፡ ኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩም፡ ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሐዙ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ። ኣታ በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልትኻ ዝበጽሔ ርኹስ ረስእ መስፍን እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዘውዲ ቐንጥጥ፡ ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፡ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ። ጥፍኣት፡ ጥፍኣት፡ ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ እዚ ኸኣ ኣይኪነግርን እዩ። ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር በልውን፡ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፡ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፡ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ። ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር በልውን፡ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፡ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፡ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ። ናብ ሰገባኡ ኽተቶ። ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፡ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ። ኲራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፡ ሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፡ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፡ ምጥፋእ ዝተግበሮም ሰባት ክውፍየካ እየ። ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፡ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ኪክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፡ ዚዝክረካ የልቦን። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርድዶ ኢኻ ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ እምበኣርስ ኲሉ ጽያፉ ኣፍልጣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በል፡ ጊዜኣ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፡ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ። በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ በደልኪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪ። መዓልትታትኪ ኣቕረብኪ፡ ዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፡ ንኹሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ። ኣቲ ርኹስ ዝወሬኺ፡ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሐቑኽን ኬላግጹልኪ እዮም። እንሆ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ፡ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ። ኣባኺ ነቦን ነደን ነዐቑ፡ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፡ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ። ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዐቕኪ፡ ንሰናብተይ ኣርከስኪ። ንምፍሳስ ደም ኣባኪ ሓመይቲ ነበሩ፡ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ። ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፡ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረ፡ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፡ ሃደ ኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ። ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፡ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፡ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፡ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፡ ንኣይውን ረሳዕኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እንሆ እምበኣር፡ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ። በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገበረላ መዓልትስ ልብኺዶ ኪቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኺጸንዓ እየን ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ። ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፡ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪ፡ ርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ። ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፡ ኣብ ማእከል እቶን ከ ኲላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲላትኹም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ። ከምቲ ኺመክኽ ኢሎም፡ ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሑሉ፡ ንብፉርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ፡ ከምኡ ኸኣ ብቚጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከላውን ክትመኩ ኢኹም። ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ፡ ከምኡ ኣብ ማእከላ ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፡ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ፡ ክትፈልጡ ኢኹም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኣ፡ ንስኺ ዘይጸሬኺ፡ ብመዓልቲ ዂራውን ዝናም ዘይዘነመኪ ሃገር ኢኺ፡ ኢልካ ንገራ። ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፡ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ኣንበሳ፡ ነፍሳት ወሐጡ፡ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፡ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ። ካህናት ሕገይ ኣፍረሱ፡ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፡ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፡ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ። መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፡ ብዘይ ቅንዕና ኺረብሑስ፡ ደም እናፍሰሱ፡ ነፍሳት እናጥፍኡ፡ ከምቶም ንግዳይ ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም። ነብያታ፡ ከንቱነት እናረኣዩ፡ ሓሶት እናጠንቈሉሎም፡ እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እናበሉ ብዘይቀውም ጸብሪ ለቕለቑሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ፡ ከተረ፡ ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ፡ ንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ። ኣነ ኸየጥፍኣስ፡ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፡ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰብኣይ ደሌኹ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ስለዚ ኸኣ ኲራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ፡ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፡ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክልተ ኣንስቲ፡ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ። ስማተን ከኣ፡ እታ ዓባይ ኦሆላ፡ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ፡ ኣሆላ ሰማርያ እያ፡ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ። ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ። ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፡ ኲላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ። ምስ ኲላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፡ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኲሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት። ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፡ ብጓላ ኸላ፡ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን። ስለዚ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፡ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፡ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ። ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቐልዑ፡ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፡ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጻ፡ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ። ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረኣየት፡ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፡ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ። ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡ መሳፍንትን መኳንንትን፡ ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት፡ ኲሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ ብፍትወት ነደደት። ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹ፡ ክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ። ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፡ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፡ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ። ቅናት ኣብ ሕቚኦም ተዐጢቖም፡ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፡ ኲላቶም መኳንንቲ፡ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረኣየት። በዒንታ ምስ ረኣየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፡ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጺኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፡ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፡ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት። ዝሙታ ምስ ገለጸት፡ ዕርቃና ምስ ቀልዔት፡ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፡ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፡ ምንዝርናኣ ኣብዝሔት። ምስቶም ዘመውቲ፡ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፡ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፡ ብፍትወት ነደደት። ከምኡ፡ እቶም ግብጻውያን ኣጥባት ጒርዝነት ከሎኪ ዝደርቀቑኺ፡ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ። ስለዚ፡ ኣቲ ኦሆሊባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ ኸኣ ኻብ ኲሉ ወገን ከምጽኦም እየ። ባቢሎናውያንን ኲሎም ከለዳውያንን ጴኮድን ሾዓን ቆዓን፡ ምስኦም ከኣ ኲሎም ኣሶራውያንን፡ መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ መሳፍንትን መኳንንትን ኲላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ሓላቑን ውሩያትን፡ ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዂርን ሒዞም፡ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቊራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም። ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዓዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፡ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፡ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዂመም እዩ። ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺ፡ ክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም። ኣዒንትኺ ናባታቶም ቊሊሕ ከይተብልን፡ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፡ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትጸልእዮም፡ ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፡ ብጽልኢ ኺካየዱኺ፡ ኲሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪ፡ ዕርቕትን ንውልቅክን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ። ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፡ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፡ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ። ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፡ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኺ እታ ዓማቚን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መሰሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ። እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፡ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። ኣነ እየ እተዛረብኩ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፡ ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፡ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኺ ረሲዕክኒ፡ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፡ ንስኺውን ርክሰትክን ምንዝርናኽን ጹሪ። እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ እምበኣርስ ጽያፈን ንገረኒ። ዘምየን እየን እሞ፡ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፡ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፡ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፡ ሓዊ ኺበልዖምሲ፡ ብእኡ ኣሕለፋኦም። ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፡ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፡ ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐረዳኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዚመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፡ እንሆውን መጹ። ተሐጸብክሎም፡ ኣዒንትኺ ተዀሐልክሎም፡ ብስልማትውን ተሰለምክሎም። ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ሳባ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምበር ኣብ ኣእዳወን፡ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፡ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ፡ በልኩ። ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፡ ናብኣ ኣተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ። ጻድቃን ሰባት ከኣ፡ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፡ ከምቲ ንዘመውቲ፡ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፡ ኪፈርድወን እዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፡ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፡ በስያፎም ኪቘራርጽወን፡ ነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎም፡ ኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም። ኲላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ፡ ምእንቲ ኺምዐዳስ፡ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ። ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፡ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን። ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሐፍ። ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ። ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድስቲ ሰኽትት፡ ሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ። ምታሩ፡ ኲሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፡ እግርን ክሳድን፡ ናብኡ ኣክቦ፡ በቲ ሕሩይ ኦኣጽሚውን ምልኣዮ። ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩይ ውሰድ፡ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኺበስል፡ ኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዐገት ድስቲ፡ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምታር ብምታሩ ኣውጽኣዮ፡ ዕጭ ኣይወደቖን። ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሐደገቶ። ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዐወቶን። ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነን እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፡ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነውን ብርቱዕ መግሃር ክኣጒድ እየ እሞ፡ ነታ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ፡ ኣዕጻው ኰምር፡ ሓዊ እጐድ፡ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣዚኻ ኣፍልሓዮ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ። ምእንቲ ኺውዕን እቲ ኣስራዚ ድማ ኪረስንን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዛዕጉ ኺመክኽን ኣቲ ምምርቱ ኸኣ ኪጠፍእንሲ፡ ጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ። ጻዕራ ኸንቱ እዩ፡ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ። ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፡ ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወሰልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎ። ኪኸውን እዩ፡ ክገብሮ ድማ እየ። ንድሕሪት ኣይክምለስን፡ ኣይክምሕርን፡ ኣይክጥዐስን ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ኪፈርዱኺ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፡ ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕውን፡ ስቕ ኢልካ እህህ በል፡ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፡ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፡ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፡ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ። ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፡ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፡ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ፡ እቲ ህዝቢውን፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኢለ መለስኩሎም፡ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ እንሆ፡ እታ ሓበን ሓይልኹም፡ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፡ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፡ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ድሕሬኹም ዝሐደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን፡ መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፡ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑ፡ ነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም። ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ኪዀነልኩም እዩ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ መጸ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣታ ወዲ ሰብ ከኣ፡ በታ ንሓይሎም፡ ንሓጐስ ክብረቶም፡ ንተድላ ኣዒንቶም፡ ነቲ ናፍቖት ልቦም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ኻብኦም ዝወስደላ መዓልቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኼስምዓካ ኺመጸካ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ኪኸፍት እዩ፡ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፡ ኣነ፡ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም። ንደቂ ዓሞን ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም፡ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፡ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፡ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፡ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ እንሆ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፡ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ። ኣብ ማእከልካውን ሰፈሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑ፡ ጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም። ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፡ ንደቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፡ ብኵሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ፡ ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ እሞ፡ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፡ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፡ ካብ ሃገራት ከጥርሰካ፡ ከጥፍኣካውን እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሞኣብን ሰዒርን፡ እንሆ፡ ቤት ይሁዳስ ከም ኲላቶም ህዝብታት እዮም፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዂሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታ፡ ክቡራት እታ ሃገር፡ እኒ ቤትየሺሞት፡ በዓልመዖን፡ ቂርያታይም ክኸፍት እየ። እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፡ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዚመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ። ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፡ በዚ ዝፈደዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮ እየ፡ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ። ኣነ ኸኣ፡ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፡ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኲራይን ነድረይን ኪገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈድዩ፡ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ኬጥፍኡ ኢሎምሲ፡ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፡ ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፡ ንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፡ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ። ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኣሰይ፡ ኣሰይ፡ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፡ ናባይ ተመሊሳ፡ ንሳ ባዲማ እያ፡ ኣነ ኽመልእ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ተሀንዲደኪ እኔኹ፡ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዜልዕሎ፡ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ። ንቐጽርታት ጢሮስ ኬጥፍእዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ። ሓመዳ ኽጽርገላ፡ ልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ። ንሳ ኣብ ማእከላ ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንህዝብታት ባዝባዝ ክትከውን እያ። እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ኪቕተላ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር፡ ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፡ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብነ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ። ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ኪቐትለን፡ ዕርዲ ኺዐርደልኪ፡ ሓመድ ኪዂምረልኪ፡ ዋልታታት ኬልዕለልኪ እዩ። ነቲ መፍረስኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኺተኽሎ እዩ፡ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ። ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፡ ደሮናኦም ኬጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዚኣትዉ፡ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኺኣቱ ኸሎ፡ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታቱን መንኰራዂሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ኪብል እዩ። ንዂሉ ኣደባባያትኪ ብሽዀና ኣፍራሱ ኺረግጾ፡ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም፡ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ናብ ምድሪ ጻሕ ኪብል እዩ። ንመዛግብትኺ ኺብዝብዙ፡ ነቕሑ ንግድኪ ኺዘምቱ፡ ንመናድቕኪ ኼፍርሱ፡ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኺፍንጥሑ፡ ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም። ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፡ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብህማም ምውዳቕኪ፡ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ኪቕንዘዉ ከለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ኪቕተሉ ኸለዉ፡ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይኪሕዘንን እዩ ሽዑ ዂላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ኻብ ዝፋውንቶም ኪወርዱ፡ ባርኖሶም ኪቕንጥጡ፡ ጥሉፍ ኣልባሶም ኪድርብዩ፡ ስምባድ ኪኽደኑ፡ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ኲሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ኪብሉ፡ ብኣኺ ኺስክሑ እዮም። ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም። ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዚነብረን ዜብለን ከተማታት ገይረ፡ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፡ መዓሙቚ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፡ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፡ ሽዑ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወርዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዚነብር ከይህሉስ፡ ብስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብር እየ። መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፡ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኴ እንተ ደለየኪ፡ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ መለቀስ ኣልቅሰላ፡ ንጢሮስ በላ፡ ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፡ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለው ህዝብታት ከኣ እትነግዲ፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ባዕልኺ፡ ብመልክዕ ፍጽምቲ ኣነ እየ፡ በልኪ። ወሰንኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፡ እቶም ሃነጽትኺ ነቲ መልክዕኪ ፈጸምዎ። ንጐቦታትኪ ብጽሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፡ ደቐል መራኽብ ኪገብሩልኪ ኻብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ። መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፡ ኰፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሰሊሞም፡ በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመጸ ኣእዋም ገበሩ። እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዚዀነኪ ጋንጽላኺ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ቀጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብጺ ነበረ። ካብ ደሴታት ኤሊወ ሰማያዊ ሃርን ጁዂን መጋረጃኺ ነበረ። ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ዚቐዝፉልክስ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ጠቢባንኪ መራሕቲ መራኽብኪ ዀኑ። እቶም ሽማግሌታት ጌባሌን እቶም ጠቢባናን ነቲ እተሰብረ ኼጣጥኡስ ኣብ ማእከልኪ ነበሩ። ኲላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን፡ ንግዶም ኪለዋውጡኺ፡ ኣባኺ ነበሩ። ፋርስን ሉድን ፋጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ። ዋላቱን ቊራዕ ርእስን ሰቐሉልኪ፡ ንሳቶም ጌጽ ሀቡኺ። ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቐጽርኺ፡ ሰብ ገማድያ ኸኣ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ፡ ዋላቱኦም ኣብ ወሰነወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፡ ንመልክዕኪ ፈጸምዎ። ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፡ ብብሩርን ሓጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ። ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ነጋዶኺ ነበሩ፡ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምጽኡ። ካብ ቤት ቶጋርማ በፍራስን በፍራስ ውግእን በባቕልን ገይሮም ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ። ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፡ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነግዶም ኣመሃላለፉ፡ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከኣ ገጽ በረኸት ኣምጽኡልኪ። ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፡ ብኽቡር ዕንቊን ብጁዂን ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባን ብዘዓጐልን ብሮቢኖስን ገይሮም፡ ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ። ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፡ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ። ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝዀነ ሃብትን ብነቢት ካብ ሄልቦንን ብጾምርን መናግድኺ ነበረት። ዌዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕጋዳኺ ብስራሕ ሓጺንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ። ዴዳን ብኽቡር መረወታት ምሳኺ ነግዳ ነበረት። ዓረብን ኲላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ። ምሳኺ ኺነግዱስ ገነሽልን ደዓውልን ኣጣልን ኣምጽኡ። እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ። ብብሉጽ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ዘበለን ብወርቅን ተላዋወጡኺ። ካራንን ካኔን ኤድንን፡ ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ። ብብሉጽ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፡ ብኦም ሊባኖስ እተገብረን በግማድ እተኣስረን፡ ክቡር ዓለባ ዝመልኤ ሳጻውን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። መራኽብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ። መላእኪ እሞ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኣዚኺ ኸበርኪ። እቶም ዚቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፡ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ። ሃብትኽን መነጋገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን፡ መራሕቲ መራኽብክን፡ መጣጣእቲ ስቡርክን፡ ነጋዶኽን ኣባኺ ዘለዉ ዂሎም ጭፍራ ውግእክን፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዂሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺወድቁ እዮም። ካብ ኣውያት ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኲላቶም ብመቕዘፍ ዚቐዝፉን ባሕረኛታትን፡ ኲላቶም መራሕቲ መራኽብን ካብ መራኽቦም ኪወርዱ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኪቘሙ እዮም። ብዛዕባኺ ድምጾም ኬስምዑ፡ ኣምሪሮም ድማ ኪበኽዩልኪ እዮም። ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፡ ኣብ ሓመዂስቲውን ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም። ርእሶም ኪላጽዩልኪ፡ ከሊ ኺዕጠቑልኪ፡ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ኪበኽዩልኪ እዮም። እናሕዘንዘኑ ብቚዝማ፡ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ትም ዘበልዋ፡ ከም ጢሮስ መን ነበረት ኢሎም ኪቚዝሙልኪ እዮም። ኣቓሑ ነግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም። በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ነግድኽን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም። በታ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብቲ ዓሚቚ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፡ ነግድኽን ኲሉ ህዝብኽን ኣብ ማእከልኪ ወደቐ። እቶም ኣብ ደሴታት ዚነብሩ ዂሎም ብኣኺ ኺስክሑ፡ ነገስታቶም ከኣ ኪርዕዱ እዮም፡ ገጾምውን ኪኽፉእ እዩ። እቶም ነጋዶ ህዝብታት ኪፋጽዩልኪ እዮም። መሰክሒ ዀንኪ፡ ንዘለኣለም ኣይክትህልውን ኢኺ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመስፍን ጢሮስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ ልብኻ ተዐብዪስ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ትብል ኣሎኻ እሞ፡ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን። እንሆ፡ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፡ ኲሉ ምስጢርውን ኣይሕብኣካን እዩ። ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፡ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ። በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዐበየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፡ እንሆ፡ ስለዚ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዚጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ኪመልሑ፡ ግርማኻ ድማ ኬርክሱ እዮም። ናብ ጒድጓድ ኪደፍኡኻ እዮም፡ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቢ ባሕሪ ተወጊኦም ዚሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ። ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን። ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ንስኻ፡ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፡ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንንጉስ ጢሮስ ብድጒዓ ቘዝመሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፡ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበረካ። ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ፡ ስርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበረካ። እቲ ኸበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፡ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ። ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኽበካ ጊዜ ብመገድኻ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፡ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፡ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፡ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፡ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ። ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ኻብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፡ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ዚርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዂስቲ ገበርኩኻ። እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዂሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ነገራ፡ ኣቲ ሲዶን፡ እኔኹ ኣብ ርእስኺ ኣሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ። ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፡ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ ኣዮም። ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኲሎም እቶም ዜቃልልዎም ጐደቦታቶም፡ ዚወግእ እሾዂ ወይስ ዜሕምም ተዀርባኣ ኣይኪህሉን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቤት እግስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሀብክዋ ሃገር ኪነብሩ እዮም። ኣብኣ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣባይቲ ኸኣ ኪሰርሑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዜቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ሽዑ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም። ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዂላ ግብጽን ከኣ ተነበ፡ ተዛረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስኻ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፡ እትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዐልኩኻ። ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር፡ ንዓሳታት ርባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፡ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዝለኦ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ። ንኣኻን ንዂሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኻ ኽድርብየካ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ፡ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፡ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ። እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዂሎም ንቤት እስራኤል ምርኲስ ወምብቆ ዀይኖምዎም እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ብኢዶም እንተ ሐዙኻ፡ ተሰበርካ፡ ንዂሉ መንኲቦም ከኣ ወጋእካ፡ እንተ ተጸግዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽአልካ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ከጽንቶም እየ። እቲ ርባ ናተይ ኣዩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም። ስለዚ እኔኹ፡ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፡ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳኦ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ። እግሪ ሰብ ብእኣ ኣይኪሐልፍን፡ እግሪ እንስሳ ብእኣ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን። ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታታ ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኲሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ፡ ንምርኮ ግብጺ ኽመልሶም፡ ናብታ እተወልዱላ። ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪኰኑ እዮም። ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፡ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስ፡ ከውሕዶም እየ። ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ኣይኪእመኑን እዮም፡ ናባታቶም ቊሊሕ እንተ በሉ ግና፡ ኣበሳኦም ከዘክርዎም እዮም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተይ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም። ርእሲ ዘበለ ነዂዑ፡ መንኲብ ዘበል ተመሊጡ፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸዐሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፡ ዚዝረፍ ኪዝርፍ፡ ዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፡ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ። ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፡ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቊል፡ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተነበ በልውን፡ መዓልቲ ቐሪባ፡ እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ መዓልቲ ደበና፡ ጊዜ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣየ፡ ተካሊት መዓልቲ፡ ኢልኩም ዋይዋይ በሉ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተነበ በልውን፡ መዓልቲ ቐሪባ፡ እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ መዓልቲ ደበና፡ ጊዜ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣየ፡ ተካሊት መዓልቲ፡ ኢልኩም ዋይዋይ በሉ። ሰይፊ ኣብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፡ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብጺ ምስ ወደቑ፡ ሃብታ ምስ ተወስደ፡ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሃት ኪኸውን እዩ። ኢትዮጵያን ፋጥን ሉድን ኲሎም ሕውስዋስ ህዝብን፡ ኩብን ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ሃገርን ምሳታቶም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ንግብጺ ዚድግፉ ኺወድቁ እዮም፡ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸኣ ኪዋረድ እዩ። ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴኔ ኣብኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት ከኣ ኪባድሙ እዮም፡ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ኪዀና እየን። ኣብ ግብጺ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ፡ ደገፍታ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ምስ ተሰባበሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ደሓን ኣሎኹ እትብል ኢትዮጵያ ኼሰምብድዋስ፡ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገጸይ ኪወጹ እዮም። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ግብጺ ዝዀነ ፍርሃት ኪዀኖም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኸጥፍኦ እየ። ንሱን ህዝቡ ኸኣ ምስኡን፡ ካብቶም ህዝብታት ኣዝዮም ዚጭክኑ፡ ነታ ሃገር ኬጥፍእዋ ኺወጹ እዮም። ሰይፎም ንግብጺ ኺመልሑላ፡ ነታ ሃገርውን ብቕቱላት ኪመልእዋ እዮም። ነቲ ርባታት ከንጽፎ፡ ነታ ሃገር ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰብ ክሸጣ እየ። ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንጣኦታት ከጥፍኦም፡ ንጣኦታት ከንቱ ኻብ ኖፍ ክጥርሶም እየ። ድሕርዚ ኻብ ሃገር ግብጺ መስፍን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ፍርሃት ከምጽእ እየ። ንጳጥሮስ ከባድማ፡ ኣብ ጾዓን ሓዊ ኽኣጒድ፡ ኣብ ኖ ኸኣ ፍርዲ ኽገብር እየ። ነድረይ ከኣ ናብ ሲን፡ እታ ዕርዲ ግብጺ፡ ክኽዑ፡ ንህዝቢ ኖ ድማ ከጽንቶ እየ። ኣብ ግብጺ ሓዊ ኽኣጒድ እየ፡ ሲን ክትጭነቕ እያ፡ ኖ ኽትጠፍእ እያ፡ ንኖፍ ከኣ ጻላእቲ ብመዓልቲ ኺሕዝዋ እዮም። ኣጒባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ንሳተን ከኣ ኪማረኻ እየን። ኣርዑት ግብጺ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፡ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፡ ኣብ ታህፋኔስ መዓልቲ ኽትጽልምት እያ። ደበና ኼጐልብባ እየ። ኣዋልዳ ድማ ኪማረኻ እየን። ከምዚ ገይረ ኣብ ግብጺ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፡ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቕልጽም ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሰበርክዋ፡ እንሆ ድማ፡ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል፡ ዚሰፋ፡ ፈውሲ ገይሩ ኸኣ ብዓለባ ዚዝንና የልቦን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣብ ርእሱ ኣሎኹ፡ ነተን ቀላጽሙ፡ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን፡ ክሰብረን፡ ነቲ ሰይፊ ኸኣ ካብ ኢዱ ኸውድቖ እየ። ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፡ ኣብ ኲለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ። ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔን፡ ሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፡ ንቐላጽም ፈርኦን ግና ክሰብረን እየ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ንሞት እተወግኤ ሰብኣይ ዚቚንዞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኪቚንዞ እዩ። ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔን እየ፡ ቀላጽም ፈርኦን ግና ዘርጋሕ ኢለን ኪወድቃ እየን። ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሐዝክዎ፡ ንሱውን ኣብ ሃገር ግብጺ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፡ ኣብ ኲለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕ ህዝቡን፡ ብዕቤትካ ንመን ትመስል ብሎ። እንሆ፡ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕ፡ ጽላሉ ዝዕሙር፡ ቊመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ። ማያት መገቦ፡ መዓሙቚ ኣዕበዮ፡ ውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሐዘ፡ መሳኑኡ ድማ ናብ ኲሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ። ስለዚ ቝመቱ ኻብ ኲለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፡ ሳላ እቲ ዜዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት፡ ጨናፍሩ በዝሔ፡ ዘፋፍሩ ነውሔ። ኣብቲ ጨንፍሩ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኲሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፡ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኲሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ። ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፡ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ። ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ኪኽውሎ ኣይከኣለን፡ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸሎን፡ ጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዐራረዮን። ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኲላተን ቀንኣሉ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብቚመት ክብ ስለ ዝበልካ። ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፡ ብምኽንያት ቊመቱ ልቡ ስለ እተዐበየ፡ ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፡ ከም ድሌቱ ኺገብሮስ፡ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ። እቶም ጓኖት፡ ናይ ህዝብታት ጨካናት፡ ቈረጽዎን ደርበይዎን። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ርባርባን ወደቐ፡ ጨንገፉ ኣብ ኲሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡ፡ ሐደግዎውን። ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጒንዲ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፡ ኲሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ። እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቚመተን ከይዕበያን፡ ጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፡ ኲላቶምሲ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዓመቚ ምድሪ፡ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፡ እተን ማያት ዚሰተያ ዘበላ ዂለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፡ እዚ ዀነ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዚቚዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቚ ኣጐልበብኩ፡ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፡ ዓበይቲ ማያት ተዐግተ፡ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጻለምክዎ፡ ብሰሩ ዂለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና። ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፡ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኲላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሔሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድን፡ ማይ ዚሰትያ ዝነበራ ዘበላ ዂለን፡ ኣብቲ መዓሙቚ ምድሪ ተጸናንዓ። ንሳቶም ድማ፡ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ። እምብኣረይ፡ ብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል ከምኡ ኸኣ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፡ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦንን ኲሎም ህዝብን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተ ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድጒዓ መልቀስ ደጒዓሉ፡ በሎውን፡ ንስኻ ኣብ ማእከል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፡ ኣብ ባሕርታት ከኣ ከም ገበል ትመስል ነበርካ፡ ኣብ ርባታትካ ጨንደላሕ በልካ፡ በእጋርካ ማያት ኣናወጽካ፡ ነቲ መሳኑ ድማ ዘረግካዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብላ ሎ፡ ብእኩባት ብዙሓት ህዝብታት ገይረ ኣነ መርበበይ ክዝርግሓልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጻሕ ከብለካ፡ ኣብ መሮር ክድርብየካ፡ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፡ ኣራዊት ኲላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ። ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ከንብሮ፡ ንሽንጭሮታት ከኣ በቲ ኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ። ነታ እትምሕሰላ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳኦ ኣኽራን ብደምካ ኽሰትያ እየ፡ እቲ ርባታት ከኣ ብኣኻ ኺመልእ እዩ። ከጥፍኣካ ኸሎኹ፡ ንሰማያት ከጐልብቦ፡ ንኸዋኽብቱ ኸኣ ከጸልምቶም፡ ንጸሓይ ብደበና ክኽውላ እየ፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ንዂሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰርኻ ኸጸልምቶ፡ ኣብ ሃገርካውን ጸልማት ክዝርግሕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ወረ ጥፍኣትካ ናብ ህዝብታት፡ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ ኣብጻሕኩ፡ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከሕዝን እየ። ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ማሕማሕ ከብሎ ኸሎኹ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ብኣኻ ኸስክሖም እየ፡ ነገስታቶም ድማ ኣዝዮም ኪርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኲሉ ጊዜ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ኪብል እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኪለዐለካ እዩ። ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኲላቶም ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ እዮም። ንሓበን ግብጺ ኼፍርስዋ እዮም፡ ኲሉ እቲ ብዙህ ህዝቡ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ። ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዂሎም እንስሳኡ ኸጥፍእ እየ። ድሕርዚ እግሪ ሰብ ኣይኪዘርጎን ሸዀና እንስሳውን ኣይኪዘርጎን እዩ። ሽዑ ንማያቶም ከጽርዮ እየ፡ ንርባታቶም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ነታ ሃገር ግብጺ በረኻ ምስ ገበርክዋ፡ እቲ ነታ ሃገር መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዘለዉ ዂላቶም ምስ ወቓዕክዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። እቲ ዚድጓዕ ድጒዓ መልቀስ እዚ እዩ። ኣዋልድ ህዝብታት ኬልቅሳኦ፡ ብዛዕባ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝባን ኬልቅሳላ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኣልቅሰሉ፡ ንእኣን ነተን ኣዋልድ ክብራት ህዝብታትን ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኣውርደን። ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጺ ውረዲ፡ ምስቶም ዘይግዙራት ከኣ ደቅሲ። ኣብ ማእከል እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም። እቲ ሰይፊ ተዋህቡ ኣሎ። ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጓትትዋ። ካብቶም ጀጋኑስ እቶም ኣውራታት ሓያላት ካብ ውሽጢ ሲኦል ንእኡን ንደገፍቱን ከምዚ ኢሎም ኪዛረብዎ እዮም፡ እቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም፡ ኣብኡ በጥ ኢሎም ኣለዉ። ኣብኡ ኣሶርን ኲሉ ህዝባን ኣለዉ፡ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኲላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ። መቓብሮም ኣብ መዓሙቚ ጒድጓድ፡ ህዝባ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ። እቶም ኣብ ሃገር ህያዋን ዜስክሑ ዝነበሩ ዂላቶም ተቐቲሎም ብሰይፊ ወዲቖም እዮም። ኣብኡ ዔላምን ኲሉ ህዝባን ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኲላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ፡ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ዝነበሩ ዘይግዙራት ናብ መዓሙቚ ምድሪ ወረዱ፡ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ተሰከሙ። ንእኣን ንዂሉ ህዝባን ኣብ ማእከል እቶም ቅቱላት ኣንጻፋሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ነበሩ እሞ፡ ኲላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፡ ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተሰከሙ። ኣብ ማእከል ቅቱላት ተነብረ። ኣብኡ መሴክን ቱባልን ምስ ኲሉ ህዝቦም ኣለዉ። ኣብ ዙርያኣ መቓብራ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፡ ኲላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቕትሉ እዮም። ንሳቶም ከኣ ምስቶም ካብቶም ዘይግዙራት ዝወደቑ ምስ ኣጽዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስያፎም ዘንበሩሎም ጀጋኑ፡ ምሳታቶም ኣይድቅሱን እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሕ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣበሳኦም ኣብ ልዕሊ ኣዕጽምቶም እዩ። ንስኻ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት ክትሰባበር፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ክትድቅስ ኢኻ። ኣብኡ ኤዶምን ነገስታትን ኲሎም መሳፍንታን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ተነብሩ። ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱን ዘይግዙራትን ደቂሶም ኣለዉ። ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ዂላቶም መሳፍንቲ ሰሜንን ኲላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዜሰክሑ ኽነሶም ነዊሮም፡ ዘይግዙራቱ ኰይኖም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ይድቅሱ ኣለዉ፡ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ይጾሩ ኣለዉ። ፈርኦን ኪርእዮም፡ ስለ ዂሉ ህዝቡ ኸኣ ኪጸናናዕ እዩ። ፈርኦንን ኲሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዚኸውን ከምጽእ እየ እሞ፡ ንፈርኦንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኬብልዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም በሎምውን፡ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካብታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፡ ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፡ መለኸት እሻተ ነፍሔ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፡ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፡ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፡ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፡ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፡ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። እምበኣርሲ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቚመካ እየ፡ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ኣታ ረሲእ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንስኻ ኸኣ ነሪ ረሲእ፡ ካብ መገዱ ኺምለስ ኢልካ ኺጥንቀቕ፡ እንተ ዘይተዛረብካዮ፡ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ፡ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፡ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል ኣሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና ኢልኩም ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ ከ እትሞቱ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ተመለሱ፡ በሎም። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፡ ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፡ በታ ኻብ ረሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጽድቁ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ። ነቲ ጻድቕ፡ ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፡ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፡ እቲ ዂሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ። ነቲ ረሲእ ድማ፡ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፡ ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፡ ዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፡ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፡ ርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ይሉ ኣለዉ። ግናኸ ዘይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ፡ ብሰራ ኺመውት እዩ። ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ሳላኤን ብህይወት ኪነብር እዩ። ንስኻትኩምሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ። ኰነ ድማ፡ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልታ፡ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናባይ መጸ እሞ፡ እታ ኸተማስ ተትሒዛ፡ በለኒ። እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፡ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረ፡ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዚመጸኒ ኸኣ፡ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፡ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፡ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፡ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፡ ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣሎኹም፡ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቊሊሕ ይብላ ኣለዋ፡ ደም ትኽዕዉ ኣሎኹም፡ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑ፡ ጽያፍ ትገብሩ ኣሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ፡ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያእይ ክትወርስዋ ኢኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ኪኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ ብዓትታትን ዚነብሩ ድማ ብፌራ ኺሞቱ እዮም። ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ኪጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዚሐልፈሉ ዜብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ። ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፡ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረኡ ኣለዉ፡ ንሓድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፡ ይባሃሀሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፡ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፡ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፡ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፡ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፡ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፡ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፡ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ነነዋሕቲ ዂርባታትን ተባረራ፡ ኣብ ኲሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፡ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስሞዑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣባጊዔይ ከኣ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፡ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፡ ጓሶተይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፡ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፡ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፡ ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እንሆ፡ ኣብቶም ጓሶት እጥልቅ አሎኹ፡ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፡ ጒስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፡ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፡ ይብል ኣሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፡ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ፡ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፡ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፡ ካብ ኲሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፡ ካብ ሃገራት ክእክበን፡ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ዂሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ። ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፡ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፡ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን። ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ከውፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ዝጠፍኤት ክደሊ፡ እተባረረት ክመልስ፡ እተሰብረት ክዘንን፡ ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፡ ነታ ዝሰብሔት ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእ፡ ብፍርዲውን ክጓስየን እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣትን ኣባጊዔይ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ኻብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፡ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ በእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፡ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ። ንዂለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጒጒኩም ፋሕ እተብልወን፡ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፡ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፡ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፡ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፡ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየን፡ ጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፡ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፡ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን። ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ዂርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ። ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፡ ምድሪውን ብቚላ ኽትህብ እያ፡ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፡ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፡ ዜፍርሆምውን የልቦን። ንንእእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፡ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ፡ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝዀኑ ኺፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣቱም ኣባጊዔይ፡ ኣባጊዕ መውፈረይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ከረን ሳዒር ኣብል ተነበየሉ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ኸረን ሳዒር፡ እኔኩ እጥልቐልካ ኣሎኹ፡ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ። ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፡ ንስኻ ድማ ክትባድም ኢኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጥ ኢኻ። ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝነበረካ፡ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ጊዜን ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፡ ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንደም ክውፍየካ እየ፡ ደም ከኣ ኪሰጐካ፡ ደም ኣይጸላእካን እሞ፡ ደም ኪሰጐካ እዩ። ንኸረን ሳዒር ባዶን በረኻን ክገብሮ፡ ነቲ ብእኡ ዚኸይድን ዚምለስን ድማ ከጽንቶ እየ። ነኽራኑ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ። ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኲሉ ርባርባታትካን ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም። ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፡ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ኪዀና እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣብኣ ኸሎስ፡ ንስኻ፡ እዞም ክልተ ህዝብን እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ኪዀኑ፡ ንሕና ኽንወርሶም ኢና፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ኸምቲ ዂራኻን፡ ከምቲ ጸሊእካ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ። ምስ ፈረድኩኻ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። እቲ ነኽራን እስራኤል፡ በረኻ ዀይኑ፡ ብልዒ ኪኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ዂሉ ጸርፍኻ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዐቤኹምለይን ዘረባ ኸም ዘብዛሕኩምለይን፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ ኲላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ ኸባድመካ እየ፡ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሐጐስካዮ፡ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፡ ክትባድም ኢኻ፡ ኲላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ ኲላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ ኸባድመካ እየ፡ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሐጐስካዮ፡ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፡ ክትባድም ኢኻ፡ ኲላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ከኣ በሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ጸላኢ፡ ኣሰይ፡ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፡ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገር፡ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ንሳቶም ብዂሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ወሒጦምኹምን፡ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ስለዚ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዂድዂዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሀድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፈ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሐጒሶም፡ ብነፍሶም ንዒቖም፡ ዘመተ ኽትከውንሲ፡ ነታ ሃገረይ እተረስተይዋ ተረፍ ህዝብታትን፡ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ። እምበኣርሲ ነኽራንን ንዂድዂዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፡ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፡ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ኪስከሙ እዮም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ናባኻትኩምውን ክብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፡ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብ፡ ፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ። ግናኸ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ናባኻትኩምውን ክብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፡ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብ፡ ፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ። ኣባኻትኩም ንዂላ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሓላ እየ። ከተማታት ኪስፈር፡ ዑናታት ድማ ኪሰራሕ እዩ። ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፡ ንሳቶም ድማ ኪባዝሑን ኪፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፡ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም። ንሰብ፡ ህዝበይ እስራኤል፡ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ኪወርሱኻ እዮም፡ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢኻ፡ ድሕርዚውን ውሉድ ዜብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብ በሊዕኪ፡ ንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፡ ይብሉኹም ኣለዉ እሞ፡ ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕን፡ ንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን እየ፡ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፡ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፡ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ። ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዐውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኲራይ ከዖኹሎም። ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፡ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፡ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም። ብዛዕባኦም ከኣ፡ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፡ ካብ ሃገሩውን ወጺኦም፡ እናተባህለስ፡ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝኣተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሐፍክዎ። ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣቶኹምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እዩ እምበር፡ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፡ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፡ ካብ ኲሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፡ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ። ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኲሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኲሎም ጣኦታትኩምን ከጽርዩአኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ። ኣብታ ነቦታትኩም ዝሀብክዋ ሃገር ክትነብሩ፡ ህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። ካብ ኲሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩም፡ ንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፡ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ። ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፡ ፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ። ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፡ ብሰሩ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም። እቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩን፡ ይብል እግዚኣቢሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኲሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፡ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን፡ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብር እየ። እታ ዝባደመት ምድሪ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፡ ክትሕረስ እያ። ሽዑ ኸኣ፡ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኰነት፡ እተን ዝባደማን ዝዐነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዐርዳን፡ ሰብ ዚነብሩለንን ኰና፡ ኪበሀል እዩ። እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፡ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስናይ እዚ፡ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎምሲ ኽልመነሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ። ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፡ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ኪመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፡ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፡ እንሆውን፡ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ኢለ መለስኩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፡ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ በለኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። ጅማውቲ ኸንብረልኩም፡ ስጋ ኽገብረልኩም፡ ብቘርበት ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ከምቲ እተኣዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹ። ክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፍኒሕኒሕ ኰነ፡ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ። እንሆ ኸኣ፡ ጅማውትን ስጋን ኪወጾም፡ ቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፡ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ንንፋስ ተነበየሉ፡ ንንፋስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣታ ትንፋስ፡ እዞም ቅቱላት ህያዋን ኪዀኑስ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ተነቤኹ፡ ትንፋስ ድማ ኣተዎም። ህያዋን ኰኑ፡ በእጋሮም ከኣ ቘሙ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ። ሽዑ ንሱ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዂላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፡ ንሳቶም፡ ዓጻጽምትና ነቐጸ፡ ተስፋና ተቐብጸ፡ ንሕና ጠፊእና ኢና፡ ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፡ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወኩም እየ። ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ከኣ ምስ ኣውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሐፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኲላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሐፈሉ። ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ። ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ኪኸውን እዩ። እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፡ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፡ ኣብ ኢደይ ሓደ ኪዀኑስ፡ ሓደ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ። እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶ ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፡ ካብ ኲሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ። ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፡ ንዂላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፡ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን፡ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም። ድሕሪ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዂሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኲሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፡ ንዂላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም እዩ፡ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱ፡ ንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን እዮም። ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሀብክዎ፡ ኣቦታትኩም ከኣ ዝነበርዋን ሃገር ኪነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፡ ዳዊት ባርያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖም ኪኸውን እዩ። ኪዳን ሰላም ከእትወሎም እየ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቚም እየ። ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም። መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ፡ እቶም ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዚቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፡ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ መልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ፡ በልውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን ኣብ ክሳድካ ኣሎኹ። ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ። ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ። ጎሜርን ኲሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ስሜንን ኲሉ ጭፍራኡን፡ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም። ተዳሎ፡ ንስኻን ኲሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፡ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፡ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፡ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፡ ኲላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ። ንስኻ ኽትድይብ፡ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፡ ንስኻ ምስ ኲሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብብ ደበና ኽትከውን ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፡ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ እሞ፡ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፡ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፡ ኲላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፡ ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን፡ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፡ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፡ ካብ ህዝብታት እተኣከበ፡ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኲር ኣናብሱን፡ ምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካ ዘመተ ኽትዘምት፡ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፡ ከብትን ሃብትን ክትሕዝ፡ ብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም፡ ኪብሉኻ እዮም። ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣይክትፈልጦን ዲኻ፡ ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኲላ ቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ። ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፡ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፡ ኣብተን ዳሕሮት በዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቶም ህዝብታት፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ኣስ ተቐደስኩ፡ ኪፈልጡንስ፡ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኦም ከም ዘምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኽውን እዩ፡ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፡ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፡ ይብል ኣሎ። ብቕንኣተይን ብሓዊ ቚጥዓይን እብል ኣሎኹ፡ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኽውን እዩ። እዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኲሉ ኣብ ምድሪ ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዂሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥ፡ኣኻውሕ ኪፈርስ፡ ኲሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ኲሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኽውን እዩ። ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለው ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጎግ ተነበየሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ እኔኹ፡ ከራኻኽበልካ እየ። መሪሔን ደሪኸን ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ፡ ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ። ንቐስትኻ ኻብታ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፡ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ። ንስኻ ምስ ኲሉ ጭፍራኻን ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክትወድቕ ኢኻ። ኪበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዝዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ። ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ሀዲኦም ዚንበሩ ዘለዉን ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። እንሆ ይመጽእ፡ ኪኸውን ድማ እዩ። እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ ድማ ኪወጹ እዮም እሞ፡ ኣጽዋርን ዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላጻታትን ኣጒማድን ኲናውትን ሓዊ ኣጒዶም ኬንድድዎ እዮም። ሾብዓተ ዓመትውን ብእኡ ሓዊ ኼንድዱ እዮም። በቲ ኣጽዋር ገይሮም ሓዊ ኺኣጒዱ እዮም እሞ፡ ካብ መሮር ዕጨይቲ ኣይክኣትዉን፡ ካብ ዱር ከኣ ኣይኪቘርጹን እዮም። ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍዎም፡ ነቶም ዝዘመትዎም ከኣ ኪዘምትዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፡ ለሰ ሓለፍቲ መገዲ ዚበሀል ቦት መቓብር ክህቦ እየ። ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኸኣ መገዶም ኪዐጽወሎም እየ። ኣብኡውን ንጎግን ንዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ኪቐብርዎም እዮም። ለሰ ሃሞናጎግ ድማ ኪበሀል እዩ። ቤት እስራኤል ከኣ፡ ነታ ሃገር ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ብሾብዓተ ወርሒ ኪቐብርዎም እዮም። ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገር ኪቐብሮም እዩ። እዚውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ ንስም ኪዀኖም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዚጸንሑ ኪቐብሩ፡ ምስቶም ቀባሮ ዀይኖም ነታ ሃገር ከየቛረጹ ዚዞርዋ ሰብኡት ኬመቕርሑ እዮም። ድሕሪ ሾብዓተ ወርሒ ሃለው ኪብሉ እዮም። እቶም እናዞሩ በታ ሃገር ዚሐልፉ፡ ሓደ ኻብኦም ዓጽሚ ሰብ እንተ ረኣየ፡ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሃሞናጎግ ክሳዕ ዚቐብርዎ፡ መሓበርታ ኺገብረሉ እዩ። ስም እታ ኸተማ ኸኣ ሃሞና ኺበሀል እዩ። በዚ ኸምዚ ነታ ሃገር ኬጽርይዋ እዮም። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዂለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ንዂሎም ኣራዊት መሮርን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ተኣኻኺብኩም ንዑ። ስጋ ኽትበልዑ ደም ከኣ ክትሰትዩስ፡ ናብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ፡ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ካብ ኲሉ ወገን ተኣኻኸቡ። ስጋ እቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፡ ደም እቶም መሳፍንቲ ምድሪ ኽትሰትዩ ኢኹም። ናይ መኻክትን ገናሽልን ድቤላታትን ኣብዑርን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም። ካብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ ክሳዕ እትጸግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፡ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም። ኣብ መኣደይ በፍራስን ብፈረሰኛታትን ብጀጋኑን ብዂሎም እቶም ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ኸኣ ግርማይ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክገልጽ እየ። ኲሎም ህዝብታት ድማ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርደይን ነታ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበርክዋ ኢደይን ኪርእዩ እዮም። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። እቶም ህዝብታት ከኣ፡ ቤት እስራኤል ብሰሪ ኣበሳኦም ከም እተማረኹ ኺፈልጡ እዮም። ንኣይ ጠሊሞም እዮም እሞ፡ ገጸይ ከወልኩሎም፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ወፌኽዎም፡ ኲላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ። ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን መጠን ገበርክዎም፡ ገጸይ ከኣ ከወልኩሎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፡ ንዂላ ቤት እስራኤል ከኣ ክምሕራ፡ ስለ እቲ ቅዱስ ስመይ ድማ ክጽዕት እየ። ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጻላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡ፡ ነውሮምን ንኣይ ዝጠለምዎ ዂሉ ጥልመትን ኪጾሩ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጻላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡ፡ ነውሮምን ንኣይ ዝጠለምዎ ዂሉ ጥልመትን ኪጾሩ እዮም። ኣነ ናብ ማእከል ህዝብታት ኣማሪኸዮም ነይረስ፡ ድሕርዚ ኸኣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣብኣ ኸየትፈፍኩ ናብ ሃገሮም ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ምስ ከዖኹ፡ ድሕሪ ደጊም ገጸይ ኣይክኽውለሎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፡ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ ኸተማ ኻብ እትተሓዝ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታ፡ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጸት፡ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ። ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ፡ ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ። ንብኣ ኸኣ ወሰደኒ፡ እንሆ ድማ፡ ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ገመድን ዚእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብታ ደገውን ደው ኢሉ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ናብዚ ተመሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ኣብ ዝርእየካ ዘበለ ዂሉ በዒንትኻ ጠምቶ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፡ ብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኤኻዮ ዂሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ በለኒ። እንሆ ኸኣ፡ ነታ ቤት ብወጻኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ምንዋሓ ሹድሽተ እመት እያ። እተን እመት ድማ ኤእመትን ስድርን እየን። ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነ፡ ቊመቱውን ሓንቲ ሻምብቆ። ድሕርዚ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መጸ፡ ብደረጃታታ ኸኣ ደየበ። ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፡ ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት፡ እታ ኻልኣይቲውን ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ። ነፍሲ ወከፍ እቃቤት ከኣ ምንዋሓ ሓንቲ ሻምብቆ፡ ወርዳ ድማ ሓንቲ ሻምብቆ እያ። ምርሕሓቕ እተን እቃቤታት ከኣ ሐሓሙሽተ እመት እዩ። እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት። ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆውን ኰነ። ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፡ ሾሞንተ እመት ከኣ ዀነ። ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ድማ ከክልተ እመት ኰነ፡ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ እዩ። እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ደገ እቃቤታ ሰለስተ በዚ ሰለስተ ድማ በቲ እየን። ሰለስቲኤን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን፡ እተን ኣዕኑድ ከኣ በዝን በትን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን። ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኣመቶ፡ ዓሰርተ እመት ከኣ ዀነ። ምንዋሕ እታ ደገ ድማ ዓሰርተው ሰለስተ እመት ኰነ። ኣብ ቅድሚ እተን እቃቤታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዚ ሓንቲ እመትውን በቲ እዩ። እተን እቃቤታት ከኣ በዚ ወገን እዝን በቲ ወገን እትን ሸሹድሽተ እመት እዩ። ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ እቃቤት ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልኣይቲ ኣመተ፡ ወርዱ ኸኣ፡ ካብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኰነ። ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ዓንዲ ኣጸድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ። ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት እዩ። ኣብተን እቃቤታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕኑድን ብዂሉ ዙርያኤን ዓይነ ርግቢ ዘለዎ መሳዂቲ ነበረን። ከምኡውን ኣብተን ገበላታት ብወገን ውሽጢን ብዂሉ ዙርያኤን መሳዂቲ ነበረን። ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕኑድ ከኣ ስየታት ነበረ። ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፡ ዙርያ እቲ ኣጸድውን ብእምኒ ተነጺፉ ነበረ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ። እቲ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ ኣብ ጥቓ ደጌታት እዩ፡ ልክዑ ኸኣ ከም ምንዋሕ እቲ ደጌታት እዩ። እዚ እቲ ታሕታይ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ እዩ። ካብ ቅድሚ እታ ታሕተይቲ ደገ ሒዙ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወጻኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፡ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከኣ መሚእቲ እመት እዩ። ነቲ ንሰሜን ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ። እቃቤታቱ ሰለስተ በዚ፡ ሰለስተ ኸኣ በቲ ስፍሪ እታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፡ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። መሳዂታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ድማ በንጻር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዚርእያ ደጌታት እያ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ። ድሕርዚ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሓኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ እያ። ነዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመተን። ከምተን መሳዂቲ ኸኣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዂቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዱ ኸኣ ስየታት፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ነበረ። እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ። በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣእተወኒ። ነታ ደገ ድቡብ ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ። እቃቤታታን ኣዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዂቲ ኣለዋ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ኣሎ። ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ሰቕሰቑ ኸኣ ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኡ ሾሞንተ ደረጃ እዩ። ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ኣጸድ ወሰደኒ እሞ ነታ ደገ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኣመታ። እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ፡ ኣብአን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዂቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እያ። ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ድማ ስየታት በዝን በትን ኣሎ። መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ። ናብ ሰሜናዊት ደገ ወሰደኒ፡ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኸኣ ኣመቶ፡ እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ከኣ ከምኡ፡ መሳዂቲውን ብዙርያኣ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ፡ ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ኸኣ በዝን በትን ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ። ኣብ ጥቓ እተን ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ደጌታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ። ኣብኣውን መስዋእቲ ምሕራር ይሐጽቡ ነበሩ። ኣብታ ገበላ ደገ ኸኣ፡ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ዚሐርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዚ፡ ክልተ ሰደቓ ድማ በቲ ኣሎ። ኣብ ጥቓ እቲ ብወጻኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዜደይብ መደያይቦ ኸኣ ክልተ ሰደቓ ኣሎ፡ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ክልተ ሰደቓ ኣሎ። እምበኣርስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓ በዚ፡ ኣርባዕተ ሰደቓ ኸኣ በቲ ኣሎ። እዚ መስዋእቲ ዚሐርዱሉ ሾሞንተ ሰደቓ እዩ። ንመስዋእቲ ምሕራር ዚኸውን ካብ ውቑር እምኒ እተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓ ኣሎ። ምንዋሑ እመትን ስድርን፡ ወርዱ እመትን ስድርን፡ ምብራኹ ሓደ እመት እዩ። ኣብኡውን ነቲ ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእትን ዚሐርዱሉ መሳርያ ዚንበሮ እዩ። ሰስድሪ ዝምንዋሑ ኲላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ኣሎ። እዚ ሰደቓታት እዚ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዚንበሮ እዩ። ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣብ ውጻኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸኣ ንመዘምራን እተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣላ፡ ገጻ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ኣላ፡ ገጻ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ። ንሱውን በለኒ፡ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ነቶም ነታ ቤት ኬገልግሉ እተመዘዙ ኻህናት እያ። እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኼገልግሉ ዚነቕሑ ኻህናት እያ። ንሳቶም ኬገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻብ ደቂ ሌስ ደቂ ጻዶቅ እዮም። ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣጸድ ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሚእቲ እመት፡ ወርዱውን ሚእቲ እመት እዩ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዘሎ። ናብ ገበላ እታ ቤት ከኣ ወሰደኒ፡ ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፡ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመትውን በቲ እዩ። ወርዲ እታ ደገ ኸኣ ሰለስተ እመት በዚ፡ ሰለስተ እመት በቲ እዩ። ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፡ ወርዲ ኸኣ ዓሰርተው ሓደ እመት እዩ፡ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ከኣ ሓደ በዚ፡ ሓደውን በቲ ኣዕኑድ ኣሎ። ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ። ነቲ ዓንዲ ሰቕሰቕውን ኣመቶ፡ እቲ ወርዱ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፡ ሹድሽተ እመት በዚ፡ ሹድሽተ እመት ከኣ በቲ ዀነ። ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ገንዚ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ እዩ። ምንዋሓ ኣርብዓ እመት፡ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመተ። ድሕርዚ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ ንሰቕሰቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፡ ነታ ኣፍ ደገ ኸኣ ሹድሽተ እመት፡ ወርዲ እታ ኣፍ ደገውን ሾብዓተ እመት ኣመቶ። ነቲ ቕድሚ መቕደስ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዕስራ እመት ኣመቶ። እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ። ከኣ በለኒ። ድሕርዚ መንደቕ እታ ቤት ሹድሽተ እመት ኣመተ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዂሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ወርደን ኣኣርባዕተ እመት ኣመተ። እተን ብጎቦታታ ዝነበራ ኽፍሊ ኣባይቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰለስተ ደርቢ ዘለወን ሰላሳ እየን። ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተጸግዓስ፡ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ኪጽግዓ፡ ኣብኡ ተጋጢመን እየን። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ ዚዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፡ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወጸሉ መጠን እናገፍሔ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ምግፋሕ እታ ቤት ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ። ከምኡውን ካብ ታሕትስ ንላዕሊ ብማእከላይ ኣቢሉ መደየቢ ኣለዋ። ኣነ ኸኣ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ርኤኹ። እቲ መሰረታ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ በታ ወምብቆ ሹድሽተ እመት ልክዕ እዩ። እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሀንጸሉ መንደቕ፡ ወርዱ ብወጻኢ ሓሙሽተ እመት እዩ። ኣብ መንጎ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት ኣሎ። ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ብዙርያ እታ ቤት ዔዕስራ እመት እዩ። ደጌታት እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ናብቲ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት፡ ሓንቲ ደገ ንሰሜን፡ ሓንቲ ኸኣ ንደቡብ ኣቢለን እየን። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ኸኣ ብዙርያኡ ወርዱ ሐሓሙሽተ እመት እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ሕዳግ እተሀንጸ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት እዩ። ናይቲ እተሀንጸ ገንዚ መንደቕ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት እዩ፡ ምንዋሑ ኸኣ ተስዓ እመት እዩ። ነታ ቤት ድማ ኣመታ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኰነት። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን እቲ ህኑጽን መንደቑን ከኣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኰነ። ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ንኣምፊ ዘሎ ቦታ፡ ወርዱ ሚእቲ እመት እዩ። ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ንኣምፉ ዝዀነ ቦታ ኽሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንጻን፡ ነቲ በዝን በትን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኰነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ኣጸድን፡ መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተገብረ መሳዂትን እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደርብታት ዘሎ መተሓላለፍን ኣንጻር እቲ ልዳት፡ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዂቲ ብዙርያኡ ብሉሕ ተኸዲኑ እዩ፡ እቲ መሳዂቲ ድማ ክዱን እዩ። ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፡ ብወጻእን ብዙርያ ዂሉ እቲ መንደቕን፡ ብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ። ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤልን ከኣ ሓንቲ ስየ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ ኣለዎ። ነታ ስየስ ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፡ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዂሉ ዙርያአ ኸምኡ ተገይርዋ እዩ። ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐጽዎ ኣሎ። እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ። ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ እዩ። ገጽ እታ ቅድስቲ ቦታ ድማ ትርኢቱ ኸምኡ እዩ። እቲ መሰውኢ ድማ ካብ ሉሕ እተገብረ እዩ። ቊመቱ ሰለስተ እመት፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት እዩ። መኣዝን ከኣ ኣለዎ፡ ግድጊዳኡ ኸኣ ሊሕ እዩ። ንሱውን፡ እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ መኣዲ እያ፡ በለኒ። ነታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን ክልተ ማዕጾ ኣለዋኤን። ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፡ ኣብ ከክልተ ዚዕጸፍ መቃን፡ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፡ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋኤን። ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፡ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን ኣሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጒድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ። ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዂትን ስየን ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ። ድሕርዚ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዜብል መገዲ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣውጽኣኒ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፊ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዚርኢ ህንጻን ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከኣ ኣእተወኒ። እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ወርዳ ኸኣ ሓምሳ እመት እዩ። ኣብ ኣንጻር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ኣጸድ፡ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ወጻኢ ኣጻድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸኣ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ኸኣ ሓደ ዝእመቱ መገዲ ኣሎ። ደጌታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን። እቲ መተሓላለፊታት ቦታ ስለ ዝወሰደለን፡ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ናይቲ ህንጻ ይጸባ እየን። ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፡ ኣዕኑድሲ ኸምተን ናይ ኣጸድ ኣዕኑድ የብለንን። ስለዚ ኻብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ኻብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ይጸባ እየ። እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤት መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል፡ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ። እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤት መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል፡ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ። ነቶም ካብ ወጻኢ ኣጻድ ዚኣትዉ፡ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኤን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ። ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ ገንዚ እቲ መንደቕ ኣጸድ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑጽን ክፍልታት ኣባይቲ ኣለዋ። ኣብ ቅድሚኤን ከኣ፡ ከምቲ ናብ ሰሜን ዜብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ኣሎ፡ ምንዋሔንን ወርደንን፡ መውጽኢኤንን ስርዓተንን ደጊኤንን ማዕረ ማዕረ እዩ። ከምተን ናብ ደቡብ ዜብላ ደጌታት ክፍልታት ኣባይቲ፡ ኣብ ርእሲ እታ መገዲ ደገ ኣሎ። ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዚኣትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዘላ እያ። በለኒውን፡ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፊ ዘሎ ቦታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን። ኣብኤን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ኬንብሩ እዮም። እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፡ ኣብኡ ኸየንብርወን፡ ካብታ መቕደስ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ ናብቲ ንህዝቢ እተመደበ ቦታ ይውጽኡ። ነቲ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድኤ፡ በታ ናብ መገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውጽኣኒ፡ በዝን በትን ብዙርያኣ ኣመታ። ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ኣመቶ፡ በዛ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። ነቲ ወገን ሰሜን ከኣ ኣመቶ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። ነቲ ወገን ደቡብ ከኣ ኣመቶ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ኣመቶ። ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ወርዱ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዀነ። እዚ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዚፈሊ እዩ። ድሕርዚ ናብታ ደገ፡ ናብታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ኣውጽኣኒ። እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መጸ። ድምጹ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፡ ምድሪውን ብኽብሩ በርሄት። እቲ ኣነ ዝርኤኽዎ ራእይ ድማ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መጻእኩ ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ ናብታ ቤት ኣተወ። መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፡ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ከኣ ኣእተወኒ፡ እንሆውን፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ። ኣነ ኸኣ ካብታ ቤት ሓደ ኺዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፡ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ። በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እታ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ንሓዋሩ ዝነብረላ ቦት ዝፋነይን እግረይ ዚረግጻ ቦታን እዚኣ እያ። ቤት እስራኤል፡ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቅዱስ ስመይ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን ኣብቲ በረኽቲ ቦታኦም ድሕርዚ ኣይኬርክስዎን እዮም። መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፡ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፡ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ። በዚ ዝገበርዎ ጽያፍ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ፡ ስለዚ ድማ ብቚጥዓይ ኣጥፋእክዎም። ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ኬርሕቑ እዮም፡ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብኣበሳኦም ኪሐፍሩስ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፡ ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ኣለክዓዮም። በቲ ዝገበርዎ ዂሉ እንተ ሐፈሩስ፡ ምስላን ስርዓታን ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺሕልውዎን ኪገብርዎን፡ ምስሊ እታ ቤትን ኣሰራርዕኣን ነቲ መውጽኢኣን መእተዊኣን ኲሉ ምስላን ኲሉ ስርዓታን፡ ኲሉ ምስላን ኲሉ ሕጋጋታን ኣፍልጦም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሐፎ። ሕጊ እታ ቤት ድማ እዚ እዩ፡ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ከረን ኣብ ኲሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ፡ እንሆ፡ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ። ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመትሲ እዚ እዩ፡ እታ እመት ከኣ እመትን ስድርን እያ፡ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ብዘሎ ዙርያ ኸንፈራውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ። እዚ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ። ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕታይ ሕዳግ ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ታሕታይ ሕዳግ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱስን ሓደ እመት እዩ። እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፡ ካብቲ መእጐድ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ። እቲ ናይ መሰውኢ መኣጐድ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተው ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዓሰርትው ክልተ እመት እዩ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ሕዳግ ከኣ በርባዕተ ወገኑ ምንዋሑ ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱውን ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸንፈር ድማ ፈረቓ እመት፡ እግሩ ኸኣ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ። ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ። በለኒ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መስዋእቲ ምሕራር ኣብኡ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ደም ከኣ ኣብኡ ኺነጽጉስ። በቲ ዚስርሓሉ መዓልቲ፡ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዚ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ዚቐርቡኒ፡ ካብ ዘርኢ ጻዶቅ ዝዀኑ ሌዋውያን ካህናት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ። ንስኻ ድማ ካብቲ ደሙ ኽትወስድ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን ኣርብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን ኣብቲ ኸንፈሩን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በዚ ኸምዚ ኸተጽርዮን ከተትዐርቖን ኢኻ። ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፡ ኣብ ወጻኢ መቕደስ፡ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኪነድድ እዩ። ብኻልኣይ መዓልቲ ኸኣ ጒድለት ዜብሉ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ኢኻ። ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘጽረይዎ፡ ነቲ መሰውኢ ኼጽርይዎ እዮም። ምጽራዮም ምስ ፈጸምካ፡ ጒድለት ዜብሉ ዝራብዕ፡ ካብ ኣባጊዕውን ጒደሎ ዜብሉ ድዑል ከተቕርብ ኢኻ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተቕርቦ ኢኻ፡ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪንስንሱሎም፡ መስዋእቲ ምሕራር ከኣ ንእግዚኣብሄር ኬቕርቡሉ እዮም። ሾብዓተ መዓልቲ ዕለተ ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ድቤላ ኸተቕርብ ኢኻ። ጒድለት ዜብሎም ዝራብዕን ካብ ኣባጊዕ ድማ ድዑልን ኪስውኡ እዮም። ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኼተዐርቕዎን ኬንጽህዎን ኪጽምብልዎን እዮም። እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ተፈጸማ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንመስዋእቲ ምሕራርኩምን ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ኬቕርቡ እዮም። ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ድሕርዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፡ ዕጽውቲ ኸኣ እያ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፡ ኣይትከፈት፡ ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር። እቲ መስፍንሲ፡ መስፍን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጌራ ኺበልዕ፡ ኣብኣ ኪቕመጥ እዩ። ንሱ ብመገዲ ገበላ እታ ደገ ኺኣቱ ብእኣ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ። ድሕርዚ ድማ ብመገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፡ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምጽኣኒ። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዂሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን ኲሉ ሕጋጋታን ዝነግረካ ዘሎኹ፡ ልብኻ ኣውድቐሉ፡ በዒንትኻ ተመልከቶ፡ በእዛንካ ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን ንዂሉ መውጽኢ እታ ቤት መቕደስን ኣጸቢቕካ ኣስተብህለሉ። ነዞም ዓለውቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ርኽሰትኩም ዘበለ ዂሉ ይእከልኩም። እንጌራይን ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸሎኹም፡ ንቤተይ ኬርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገዝረ፡ ስጋኦምውን ዘይተገዝረ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ጽያፍኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ። ኣብታ መቕደሰይ ንእኦም ኣብ ክንዳኹም ንኣገልግሎተይ መዘዝኩምዎም እምበር፡ ነቲ ቅዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፡ ልቡ ዘይተገዝረ፡ ስጋኡውን ዘይተገዝረ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ። እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሐቑ፡ ንጣኦታቶም ኪስዕቡስ ካባይ ዝረሐቑ ሌዋውያን ግና ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ቤት ከኣ ሓለውቲ ኪዀኑ፡ ኣብታ ቤት ኬገልግሉስ፡ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ኪሐርዱ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኪቘሙ እዮም። ኣብ ቅድሚ ጣኦቶም ኣገልጊሎምዎም፡ ንቤት እስራኤል ከኣ ናብ ኣበሳ ኣዐንቂፎምዎም እዮም እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንሳቶም ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገበርዎ ጽያፎምን ደኣ ኺጾሩ እዮም እምበር፡ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ፡ ኣብቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቐርቡን እዮም። ንዂሉ ዕዮኣን ነቲ ኣብኣ ዚግበር ዘበለ ዂሉን ሓለውቲ እታ ቤት ኪዀኑ ኽምዝዞም እየ። እቶም፡ ደቂ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፡ ንምሕላው መቕደሰይ እተጸምዱ ኻብ ወገን ሌዋውያን ዝዀኑ ኻህናት ደቂ ጻዶቅ፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፡ ስብሕን ደምን ኪስውኡለይ ኣብ ቅድመይ ዚቘሙ እዚኣቶም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፡ ኬገልግሉንስ ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፡ ንኣገልግሎተይውን ኪምዘዙ እዮም። ብደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ኣልባሳት ኪለብሱ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኣብ ውሽጥን ኬገልግሉ ኸለዉ ገለ ናይ ጸጒሪ ኣይኪኽደኑን እዮም። ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ወሽ ኪጥምጥሙ፡ ኣብ ሕቚኦምውን ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኺዕጠቑ፡ ዜርህጽ ነገር ኣይኪዕጠቑን እዮም። ናብ ወጻኢ ኣጸድ፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ህዝቢ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቅድስዎስ፡ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ኬውጽእዎ፡ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከኣ ኬንብርዎ፡ ካልእ ክዳውንቲውን ኪኽደኑ እዮም። ነቲ ጸጒሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፡ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፡ ጸጒሮም ድማ ኣይኬንውሑን እዮም። ካህን ዘበለ ዂሉ ናብቲ ውሽጥሕ ኣጸድ ኪኣቱ ኸሎ፡ ወይኒ ኣይኪሰትን እዩ። ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም። ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም። ኣብ ምጒት ፈራዶ ዀይኖም ኪቘሙ፡ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዂሉ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዂሉ በዓላት ዓመተይ ንሕጋጋተይን ንስርዓተይን ኪሕልዉ፡ ሰናብተይውን ኪቕድሱ እዮም። ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፡ በቦን ኣደን፡ ብወድን ጓልን፡ ብሓውን ብዘይተኣትወት ሓብትን ጥራይ ይርከሱ። ድሕሪ ምንጻሁ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይቚጸሩሉ። በታ ኣብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣብ መቕደስ ኬገልግል፡ ኣብ መቕደስ ዚኣትወላ መዓልቲ ኸኣ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ርስቲ ይኹኖም፡ ኣነ እየ ርስቶም። ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሀብዎም፡ ግዲኦምሲ ኣነ እየ። ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ይብልዕዎ። እስራኤል ዝሐረምዎ ዘበለውን ንኣታቶም ይኹን። በዂሪ ዂሉ ፍርያትኩምን፡ ኲሉ መባእኩም፡ ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፡ በዂሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ። እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይስ ካብ ከብቲ ዝሐለቐን እተሰብረን ኣይብልዑ። እምበኣርሲ ነታ ሃገር ርስቲ ኽትኰነኩም ብዕጻ ኽትማቐልዋ ኸሎኹም፡ ካብታ ሃገርስ እተቐደሰት ክፍሊ ንእግዚኣብሄር መባእ ከተቕርቡ ኢኹም። ምንዋሕ ኣዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ እመት ኪኸውን፡ ኣብ ዙርያኣ ብዂሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ። ካብዚ ድማ ኣርባዕቲኡ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝዀነ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ። ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፡ንመቕደስ ኪኸውን እዩ። ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያኣ ንኣምፉ ዚነብር ቦታ ኺውሰኻ እዩ። ካብዚ ልኩዕሲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፡ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት። ኣብኣ እታ መቕደስ፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ትኹን። እዛ ቅድስቲ ግደ እታ ሃገር ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኰይኖም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉ ዚቐርቡ ኻህናት ክትከውን እያ። ነባይቶም ስፍራ፡ ንመቕደሰውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ። ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፡ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ ነቶም ኣብታ ቤት ዜገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት ንርስቶም ክትከውን እያ። ንርስቲ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ኣንጻር እታ ዝወፌኹምዋ መባእ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፡ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መድቡ። እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን። ነቲ መስፍን ድማ በዝን በትን እታ ቅዱስ መባእ ኰይና እተወፈየት ምድርን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጽር እታ እተቐደሰት ምድርን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጽር እታ እተቐደሰት መባእን ኣብ መንጽር ርስቲ እታ ኸተማን፡ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፡ ምብራቓ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ኪኸውን እዩ። ምንዋሓ ኸኣ ካብ ወሰን ምዕራብ ሒዙስ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ኪኸውን እዩ። መሳፍንተይ ከኣ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ኪህብዎም እዮም እምበር፡ ድሕርዚ ንህዝበይ ኣይኪገፍዕዎምን፡ እዚኣስ ምድሩ፡ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ደጊም ይእከልኩም፡ ዓመጻን በዝባዝን ሕደጉ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ግበሩ፡ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ፡ ይብል እግዚኣብሀር ኣምላኽ። ሓቀኛ ሚዛን፡ ሓቀኛ ኤፋ፡ ሓቀኛ ባት ይሀሉኹም። ኤፋን ባትን ልክዑ ሓደ ይኹን፡ እቲ ባት ዓስራይ ኣፍ ሆመር፡ እቲ ኤፋ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ሆመር ይኹን። እቲ መስፈሪኦም ብሆመር እተለክዔ ይኹን። ሓደ ሲቃል ዕስራ ጌራ ዚሕዝ ይኹን። እቲ ምና ኸኣ ዕስራ ሲቃል፡ ዕስራን ሓሙሽተን ሲቓል፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ይኹነልኩም። እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዚ እዩ፡ ካብ ሆመር ስርናይ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፡ ካብ ሆመር ስገም ድማ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ ወፍዩ። ናይ ዘይቲ ሕጊ፡ ናይቲ ባት ዘይቲ ኸኣ እዚ እዩ፡ ዓሰርተ ባት ሓደ ሆመር እዩ እሞ፡ ካብ ሓደ ኮር ዓስራይ ኣፍ ባት ይወፈ፡ እቲ ኮር ድማ ዓሰርተ ባት ዚሕዝ ሆመር እዩ። ንኣታቶም ዚኸውን መበጀዊ ንምግባር፡ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ ምስጋናን ካብቲ ማይ ዘለዎ መዋፍር እስራኤል ካብ መጓሰ ኽልተ ሚእትስ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ነዚ መባእ እዚ ነቲ መስፍን እስራኤል ኪህብዎ ይግብኦም እዩ። መዚ እቲ መስፍንሲ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን ብዂሉ በዓላት ዓመት ቤት እስራኤልን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ኪውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መበጀዊ ምእንቲ ኺገብረሎም መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ምስጋናን ኬቕርብ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ መዓልቲ ንስኻ ጒድለት ዜብሉ ዝራብዕ ከትወስድ ኢኻ እሞ፡ ነታ መቕደስ ከተንጽሃ ኢኻ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪወስድ፡ ኣብ ልዳት እታ ቤትን ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋት መሰውእን ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኪገብሮ እዩ። ብሳብዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ ስለ እቲ ብጌጋ ዝኣበሰን ስለ እቲ ግሩህን ከምኡ ኽትገብር ኢኻ። ነታ ቤትውን ከምኡ ኸተበጅውዋ ኢኹም። በታ መጀመርያ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትስ፡ ፋስጋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፡ ቅጫውን ኪብላዕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ መስፍን ብናይ ርእሱን ብናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርብ እዩ። በዘን ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ድማ ጒድለት ዜብሎም ሾብዓተ ዝራብዓትን ሾብዓተ ድዑላትን ኣብ ጸጽባሕ እዘን ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምሕራር፡ ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ ኬቕርብ እዩ። ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ። ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ በዚ በዓል እዚ ንሾብዓተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ከምቲ መስዋእቲ ምሕራር፡ ከምቲ መስዋእቲ ብልዒ፡ ከምቲ ዘይቲ ኬቕርብ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ በተን ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ኽትዕጾ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ክትክፈት፡ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ። እቲ መስፍን ከኣ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፡ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ኪቐውም እዩ። ካህናት ከኣ መስዋእቲ ምህራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ኬቕርቡ እዮም፡ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኺሰግድ፡ ድሕርዚውን ኪወጽእ እዩ። እታ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይክትዕጾን እያ። ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ዀይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰግዱ እዮም። እቲ መስፍን ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሀር ዜቕርበሉ መስዋእቲ ምሕራርሲ ጒድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንልን፡ ጒድለት ዜብሉ ሓደ ድዑልን እዩ። መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓንቲ ኤፋ፡ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ገንሸላት ድማ ከም ርካቡ ኪኸውን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኺህልዎ እዩ። ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ ጒድለት ዜብሉ ዝራብዕን ጒድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንልን ሓደ ድዑልን ኬቕርብ እዩ። ንሱ ኸኣ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ዱዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኼቕርብ እዩ። እቲ መስፍን ኪኣቱ ኸሎ፡ ብገበላ እታ ደገ ኺኣቱ፡ ብእኣ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ። ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ እቲ ኺሰግድ ኢሉ ብደገ ሰሜን ዝኣተወ ብደገ ደቡብ ኪወጽእ፡ በታ ደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ ብደገ ሰሜን ኪወጽእ እዩ። በታ ኣንጻራ ደኣ ኺወጽእ እምበር፡ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይኪምለስን እዩ። እቲ መስፍን ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኺኣቱ፡ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ምስኦም ኪወጽእ እዩ። ብበዓላትን ብበዓላት ዓመትን እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፡ ነንሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ። እቲ መስፍን ከኣ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ምሕራር ወይስ መስዋእቲ ምስጋና ኸም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ኬቕርብ ከሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ እሞ፡ ነቲ መስዋእቲ ምህራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ። ድሕርዚ ኺወጽእ፡ ምስ ወጸ ድማ፡ እታ ደገ ትተዐጾ። ጒድለት ዜብሉ ናይ ዓመት ገንሸል ከም መስዋእቲ ምሕራር ኣብ ጸጽባሕ ንእግዚኣብሄር ከተቕርበሉ ኢኻ። ንግሆ ንግሆ ኽትስውኦ ኢኻ። ምስናይዚ መስዋእቲ ብልዒ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፡ መለስለሲ እቲ ሓርጭ ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ዘይቲ ንግሆ ንግሆ ኸተቕርብ ኢኻ። እዚ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ብልዒ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት ንዂሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ። ገንሸልን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኲሉ ጊዜ መስዋእቲ ምሕራር ክትስውኡ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ መስፍን ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህበት እንተ ሀቦ፡ ርስቱ እዩ፡ እዚ ንደቁ ይኹን፡ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። ንሓደ ኻብ ገላዉኡ ኻብቲ ርስቱ መቒሉስ ውህበት እንተ ሀቦ ግና፡ እዚኣ ክሳዕ ዓመት ሓራ ናቱ ትኹን። ድሕርዚ ኸኣ ናብቲ መስፍን ትመለስ። ርስትነቱ ድማ ንደቁ ኪኸውን እዩ። እቲ መስፍን ከኣ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፡ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኼረስትዮም እዩ። ድሕርዚ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዚርእያ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ወሰኑ ንምዕራብ ኣቢሉ ዚርኢ ቦታ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ከየውጽእዎ እሞ እቲ ህዝቢ ኸይቅደስሲ፡ እቲ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ዕዳን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚቕቅልሉ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዚስንክትሉ ቦታ እዚ እዩ፡ በለኒ። ናብ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ኣርባዕቲኤን መኣዝን እታ ኣጸድ ከኣ ኣሕለፈኒ፡ እንሆውን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ኣጻድሲ ኣጸድ ኣሎ። ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ኣጸድ ድማ እተቐጽራ ኣጸዳት ኣለዋ፡ ምንዋሔን ኣርብዓ እመት፡ ወርደን ከኣ ሰላሳ እዩ። እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝንሲ ልክዔን ሓደ እዩ። ኣብ ዙርያኤን ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲኤን ከኣ መንደቕ ኣሎ። ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ መሰኻተቲ ተሰሪሕዎ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣ እታ ዜብስሉላ ቤት እያ፡ እዚኣተን ከኣ እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዜብስሉለን እየን፡ በለኒ። ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ታሕቲ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፡ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ። ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፡ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፡ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፡ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፡ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፡ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፡ ክሳዕ ክሳድ እግረይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ። ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፡ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቚ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፡ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሒዝ ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ትርኢዶ ኣሎኻ በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፡ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ። ምስ ተመለስኩ፡ እንሆ፡ ወሰነ ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም ኣሎ። በለኒ ድማ፡ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፡ ናብ ጐልጐል ኪወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ኪበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቲ ማያት ኪጥዒ እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኲሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፡ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኲሉ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ኪቘሙ፡ ካብ ዔን ገዲ ኽሳዕ ዔን ኤግላይም መዘርግሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ዓሳታት፡ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፡ በብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣብኡ ኺህልዉ እዮም። ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ እምበር፡ ኣይኪጥዕን እዩ። ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኲሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቊል እዩ። ኣቚጽልቱ ኣይኪጽምሉን፡ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እሮኡ ዚፍልፍል እሞ፡ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፡ ፍሬታቱ ንምግቢ፡ ኣቚጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፡ ወሰናታ እዚ እዩ፡ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ። እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ። ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፡ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃትሎን ኣቢሉ፡ ክሳዕ ጻዳድ፡ ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት፡ ቤሮታ፡ ሲብራይም፡ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር ሓቲክን ድማ። እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻርዕናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዮ። ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ። እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፡ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ። እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ። ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፡ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖትን ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፡ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ስማት እቶም ነገድ እዚ እዩ፡ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ፡ ብጥቓ መገዲ ሃትሎን፡ ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ሓጻርዕናንን፡ ወሰን ደማስቆ፡ ናብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፡ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ንዳን ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ዳን ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ኣሴር ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ምናሴ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ሮቤል ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን። ወርዱ ዕስራን ሓሙሽተን እመት፡ ምንዋሑ ኸኣ ኻብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእከሉ ትኹን። እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን። እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ንምዕራብ ከኣ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፡ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፡ ንደቡብ ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ። እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእከላ ትኹን። እዚኣ ነቶም፡ እቶም ደቂ እስራኤል ኪስሕቱ ኸለዉ ኸምቶም ዚስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሐቱ፡ እተቐደሱ ንኣገልግሎተይውን እተመዘዙ ኻህናት፡ ደቂ ጻዶቅ፡ ትኹን። እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፡ ኣዝያ ቅድስቲ ዝዀነት መባእ ምድሪ ንኣታቶም መባእ ትኹነሎም። ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን። ምንዋሓ ዂላዂላ ዕሽራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ። እዚኣ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት እያ እሞ፡ ካብኣ ኣይሽጡ፡ ኣይለውጡ፡ እዛ በዂራት ምድሪ እዚኣ ኣብ ካልእ ኣይትሕለፍ። እታ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ ኻብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና ዘይተቐደሰ ቦታን ሰብ ዚነብረላ ኸተማን ንኸባቢኣን ትኹን። እታ ኸተማ ድማ ኣብ ማእከላ ትኹን። ልክዓ ኸኣ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፡ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ። እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፡ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፡ ብምብራቕ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን። እታ ትራፍ ናይቲ ምንዋሕሲ ብኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ፡ ኣብ ምዕራብ ኣቢሉ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፡ እዚኣ ኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ እያ። እቶታውን ምግቢ እቶም ዓየይቲ እታ ኸተማ ይኹን። እቶም ካብ ኲሎም ነገድ እስራኤል ዝዀኑ ኣብታ ኸተማ ዚዐዩ ኸኣ ነታ ምድሪ ይሕረርስዋ። እታ መባእ ኲላዂላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን። ንርስቲ እታ ኸተማ ዚኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ። እቲ ዝተረፈ ንመስፍን ይኹን፡ በዝን በትን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፡ ኣብ ምዕራብ ከኣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዜብል፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፡ ነቲ መስፍን ይኹን። እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከኣ ኣብ ማእከል ይኹና። ካብቲ ኣብ ማእከል ናይ መስፍን ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፡ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ ነቲ መስፍን ይኹን። ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን። ኣብ ወሰን ብንያም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓድ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን። ኣብ ወሰን ስምኦን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንኢሳኮር ይኹን። ኣብ ወሰን ይሳኮር ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኹን። ኣብ ወሰን ዛብሎን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን። ኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን። እታ ንነገዳት እስራኤል ዕጭ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ። እተን ግዴታት ከኣ እዚኤን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። መውጽኢታት እታ ኸተማ ድማ እዚ እዩ፡ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ። ደጌታት እታ ኸተማ ኸኣ ብስም ነገዳት እስራኤል ይሰመያ። ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፡ ደገ ሮቤል ሓንቲ፡ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፡ ደገ ሌዊ ሓንቲ። ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፡ ደጌታትውን ሰለስተ፡ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፡ ደገ ብንያም ሓንቲ፡ ደገ ዳን ሓንቲ። ብወገን ደቡብ ከኣ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፡ ደጌታትውን ሰለስተ፡ ደገ ስምኦን ሓንቲ፡ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፡ ደገ ዛብሎን ሓንቲ። ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፡ ደጌታትውን ሰለሰ፡ ደገ ጋድ ሓንቲ፡ ደገ ኣሴር ሓንቲ፡ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ። ዙርያኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ እመት እዩ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ስም እታ ከተማ፡ እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ፡ ክትስመ እያ። ንመንግስቲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም መጸ ከበባውን። እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከአ ሐደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፡ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ። እቲ ንጉስ ከአ ንኣሽፈናዝ፡ ሐለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መስዋእቲ ኬምጽእ ነገሮ። እዚኣቶም ከአ ጉድለት ዜብሎምን መልክዔኝታትን ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪኾኑ፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከአ ኪምህርዎም፡ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ፡ ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቖሙ፡ ኢሉ አዘዘ። ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። እቲ ሐለቓ ስሉባት ከአ ስማት ኣውጽኣሎም፡ ንዳኒኤል ቤልጥሻጽር፡ ንሃናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቕ፡ ንኣዛርያ ድማ ዓብድኔጎ ኢሉ ሰመዮም። ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ፡ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። ኣምላኽ ከአ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞጎስን ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከአ ንዳኒኤል፡ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ።። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዑዋ እፈርህ አሎኹ፡ በሎ። ሽዑ ዳኒኤል ነቲ፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳኒኤልን ሃናንያን ሚሻኣኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፡ ጥረ እንበልዖ ማይ ከአ እንሰትዮ ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፡ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሕራይ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ መንእሰያት ዝበለጸ፡ ገጾም በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፡ ጥረ ሀቦም። ኣምላኽ ከአ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከአ ምስትውዓል ሀቦም። ዳኒኤል ድማ ኩሉ ራኣያትን ሕልምታት የስተውዕል ነበረ። እታ፡ እቲ ንጉስ ኪአትወሉ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ እቲ ሐለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጽር ኣእተዎም። እቲ ንግሱ ከአ ተዛረቦም፡ ካብ ኩላቶም ድማ ከም ዳንኤል ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኩሉ ነገር፡ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም። ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ። ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመ፡ መንፈሱ ኸአ ተሀወኸ፡ ድቃሱ ድማ ካብኡ በረረ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቆልትን ከለዳውያንን። ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፡ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከአ መጹ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቁሙ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኽፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፡ በሎም። ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብኣራማይስጢ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ይሃው ኩን፡ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረኒ፡ ንሕናውን ትርጉም ክንነግረካ ኢና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከአ ነቶም ከለዳውያን፡ እቲ ነገር ረሲዔዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትስየፉ፡ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉምን እንተ ነገርኩሙኒ ግና፡ ሃያብን ውህበትን ዓብዩ ኽብረትን ክህበኩም እየ፡ እምበአርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ንጉስ ከአ ነቶም ከለዳውያን፡ እቲ ነገር ረሲዔዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትስየፉ፡ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉምን እንተ ነገርኩሙኒ ግና፡ ሃያብን ውህበትን ዓብዩ ኽብረትን ክህበኩም እየ፡ እምበአርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፡ ንሕንውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፡ ኢሎም መለሱሉ። እቲ ንጉስ ከአ፡ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹም፡ ጌዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። ነቲ ጝልሚ እንተ ዘይፍለጥኩምኒ ግና፡ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም አሎኹም፡ እምበኣርስኽ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፡ ኣነ ኸአ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ፡ ኢል መለሰሎም። እቶም ከለዳውያን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ንጉስሲ፡ ምንም እኳ ዓባይን ብርቱዕን እንተ ኾነ፡ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ዝበለ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፍልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዩ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኖም፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኮነን፡ ኢሎም መለሱ። እቶም ከለዳውያን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ንጉስሲ፡ ምንም እኳ ዓባይን ብርቱዕን እንተ ኾነ፡ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ዝበለ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፍልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዩ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኖም፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኮነን፡ ኢሎም መለሱ። ስለዚ እቲ ንጉስ ኮረየ፡ ኣዝዩ ተናደደ ንብዘለው ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ። እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፡ ነቶም ጠቢባን ከአ ኪቐትልዎም ጀመሩ፡ ንዳኒኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ። ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፡ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስ፡ ብምኽርን በእምሮን መለሰሉ። ንሱ ንኣርዮክ፡ ናይ ንጉስ መኮንን፡ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳኒኤል ኣፍለጦ። ዳኒኤል ከአ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ኬፍልጦስ ጊዜ ኽህቦ፡ ንንጉስ ለመኖ። ድሕርዚ ዳኒኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፡ ዳኒኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ፡ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን፡ መሓዙት እቱ ነገር ኣፍለጦም። ድሕርዚ ዳኒኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፡ ዳኒኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ፡ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን፡ መሓዙት እቱ ነገር ኣፍለጦም። ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳኒኤል ብራኢይ ለይቲ ተገልጸሉ። ዳኒኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ። ዳኒኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለአለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋወጥ፡ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከአ ይሽይም፡ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸአ ምስትውዓል ይሀቦም። ንሱ ዓሚቑን ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር። ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፡ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፡ ሕጂውን እቲ ዝለመንካና ስለ ዝገለጽካለይ፡ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ። ስለዚ ዳኒኤል ናብቲ እቲ ንስጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዘአዘዞ ኣርዮክ ከደ፡ አትዮ ኸአ፡ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፡ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፡ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፡ ኢሉ ነገሮ። ሽዑ ኣርዮክ ንዳኒኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፡ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጦ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ንኩስ ከአ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳኒኤል፡ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉሙን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዳኒኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ነዛ ንጉስ ዚሐተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቆልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽእሉን እዮም፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፡ ንሱ ኸኣአ ንንጉስ ነቡካድነጽር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። ኢ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዮ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኸውን፡ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፡ ሓሳባት ተንስኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኸውን ኣፍለጠካ። ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ኺንገር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፡ ካብ ኩላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለው ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኮነን። ዎ ንጉስ፡ እንሆ፡ ንስኻ ዓብዩ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸአ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቖመ፡ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ፡ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፡ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡ ከብዱን ሕቑኡን ከአ ኣስራዚ ነበረ፡ መሓውሩ ሓጺን፡ ኣእጋሩ ኸአ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ መሬት ነበረ። ንስኻ ትጥምት ነበርካ፡ እንሆ ኸአ፡ ኢድ ከይተነከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፡ ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቕዖን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬትን ኣስራዚን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመኹ፡ ከም ብቑቡቑ ዓውዲ ቐውዒ ኾነ፡ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከአ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዩ ኸረን ኮነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ። እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፡ ትርጓሜኡ ኸአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንነግሮ ኢና። ዎ ንጉስ፡ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩሉ ዝበለ ኸኣአ ኣብ ኢድካ ሀበካ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላቶም ድማ ኣግዛኣካ፡ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ። ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሰይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ። እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፡ ከምቲ ሓጺን ንኹሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰባብርን፡ ከምኡ ኽአ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኮይና፡ ነዚ ኹሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ። እቲ ኣእጋርን እጻብዕን ገሊኡ መሬት፡ ገሊኡ ሓጺን ዝርኤኻዮ፡ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺልዎ እዩ። ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ ኸአ መሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ኸአ ትሰባሪት ክትከውን እያ። እቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሓዋወሱ፡ ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን መሬት ዘይላገብ፡ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም። ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸአ ንኻልኣ ህዝቢ ዘይወሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንኹለን እዘን መንግስታትን እዚኣተን ክትጭፍልቐን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ። ከምቲ እምኒ፡ ኢድ ከይተንከዮ፡ ካብ ከረን ተፈንቂሉ ንሓጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪድዕምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድሕርዚ ዚከውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ፡ ትርጓሜኡ ኸአ እሙን እዩ። ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳኒኤል ሰገደሉ፡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርበሉ ድማ አዘዘ። እቲ ንጉስ ንዳኒኤል፡ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ኻብ ከአልካስ፡ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ጐይታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ዳኒኤል ልዕል ኣበሎ፡ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ተቢባን ባቢሎን ከአ ሐለቓ ገበሮ። ዳኒኤል ንንጉስ ለሚኑ፡ ንሲድራቅም ሚሳቅን ዓብዱኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ። ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቑመቱ፡ ሽዱሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጎልጎል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቖሞ። ንጉስ ነቡካድነጸር ከአ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፡ ነቲ ንጉስ ንቡክዳነጻር ዘቖሞ ምስሊ ምእንቲ ኸጽምብልዎ፡ ኪእከቡ ለአኸሎም። ስዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጸር ዚቖሞ ምስሊ ኺጽብልዎ ተአከቡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጸር ዘቖሞ ምስሊ ኸአ ቕሙ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ፡ ኢሉ አወጀ። ስለዚ ኹሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ኹሎም እቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጸር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። በቲ ጊዜ እቲ ገለ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም። ንሳቶም ከአ ንንጉስ ነቡካድነጸር መለሱሉ በልዎውን፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፡ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፡ ኣብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኺድርብ፡ ኢልካ አዘዝካ። ዎ ንጉስ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፡ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፡ ኣብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኺድርብ፡ ኢልካ አዘዝካ። እምበኣርሲ፡ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዕብዱኔጎን፡ አለው፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣይምልኹን፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ። ሽዑ ነቡካድነጸር ኮርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኬምጽእዎም አዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም። ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዕብዱኔጎ፡ እቲ ንኣማልኸተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቖምክዋ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ከሎኹም፡ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክም ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለው። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፡ ብኡብኡ ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዎ ነቡካድነጸር፡ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን። ዎ ንጉስ፡ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ፡ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፡ በልዎ። ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱኔጎን እምብዛ ተናደደ፡ ትርኢት ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮስ ሾብዓተ ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ አዘዘ። ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኪአስርዎም እሞ ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኸአ ተደርበዩ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፡ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን፡ ብእስራቶም ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ወደቑ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፡ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን፡ ብእስራቶም ናብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ወደቑ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፡ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፡ ነማኸርቱ ድማ፡ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከአ ንንጉስ፡ ርግጽ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፡ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፡ ነማኸርቱ ድማ፡ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከአ ንንጉስ፡ ርግጽ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸአ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እኳ ኸይተጎድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፡ ኢሉውን መለሰሎም። ድሕርዚ ነቡካድነጸር ናብ ኣፍ እቱ ጉሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፡ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዕብድኔጎ፡ ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፡ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ፡ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ። እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፡ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሉ ከም ዘይነበሮ ረአዩ። ጸጉሪ ርእሶም ኣይቃረየን፡ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን። ነቡካድነጸር ከአ፡ እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ አበዩ፡ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፡ ኢሉ መለሰ። ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልኣ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ኣነ፡ ዝኾነ ይኹን ካብ ብዘለው ኣህዛብን ወገናትንቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ንሱ ኺስየፍ፡ ቤቱ ኸአ ምድርባይ ጎሓፍ ኪኸውን፡ እእዝዝ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰ። ድሕርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኩሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቃታትን፡ ሰላም ይብዛሕኩም። እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዩኒ አሎ። ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዩ፡ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለአለማዊት መንግስቲ እያ፡ ግዝኣቱ ኸአ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ኣነ ነቡክድነጻር፡ ኣብ ቤተይ ዐሪፈ፡ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበርኩ። ዜሰምብድ ሕልሚ ርኤኹ፡ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ሓሳባተይ ራኣያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ። ስለዚ ንኹላቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ፡ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም፡ ኣዘዝኩ። ሽዑ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥይን መጹ፡ ነቲ ሕልሚ ኸአ ኣብ ቅድሜኦም ተዛረብኩ፡ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ አተወ፡ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረብኩ፡ ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጠቢባን፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካን ዜሸግረካ ምስጢር ከኣ ከም ዜብልካን እፈልጥ እየ እሞ፡ እቲ ኣርኤኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ። እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኽዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፡ እንሆ፡ ኦም ኣብ ማኣከል ምድሪ ርኤኹ፡ ቁመታ ኸአ ነዋሕ እያ። እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን፡ ቁመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፡ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት። ቑጽላ ጽቡቕ ነበረ፡ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፡ ንኹሉ ኸኣአ ምግቢ ነበረ፡ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፡ ንኹሉ ኸአ ምግቢ ነበርራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፊረን ነበራ፡ ስጋ ዝለበሰ ኹሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ። እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸአ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ነዛ ኦም ቁረጽዋ፡ ጨናፍራ ጸልጽሉ፡ ቆጽላ ኣርግፉ፡ ፍሬኣ በትኑ፡ እተን እንስሳ ኻብ ትሕቲኣ፡ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ። ግናኸ ነቲ ጉንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብ ማኣከል ልምሉም ሳዕሪ ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልዊ፡ ምስ እንስሳ ኸአ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን። ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፡ ልቢ እንስሳ ኸአ ይወሀቦ፡ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ። እቶም ህያዋንሲ፡ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ከአ ከም ዚህቦ፡ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደአ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ቅዱሳን ዝአዘዝዎ እዩ። ነቲ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎ። ኣታ ቤልጥሻጽር፡ ኹላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ኼፍልጡኒ ኻብ ዘይኽእሉ፡ ንስኻ ግና፡ እቲ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፡ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፡ ትርጓሜኡ ንገረኒ። ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፡ ሓሳባቱ ኸአ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣታ ቤልጥሻጽር፡ እቲ ሕልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ቤልጥሻጽር ከአ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታየ ጻረርትኻ ይኹን። እታ ዝርኤኻያ ኦም፡ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔን፡ ቁመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፡ ኣብ ኩሉ ምድሪውን እተራእየት፡ ቆጽላ ዝጸበቐ። ፍሬኣ ዝበዝሔ፡ ንኹሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፡ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፡ ኣብ ጨንፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፡ ዝዐቤኻዮን ዝበርታዕካን፡ ዕቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይ፡ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፡ ዎ ንጉስ። እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረአዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፡ ነቲ ኦም ቆረጽዋን ኣብርስዋን፡ ግናኸ ነቲ ጉንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ፡ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፡ ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሐልፉ፡ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፡ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፡ ዝበለ፡ ትርጓሜኡ እዚ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፡ ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ብኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኸብልዑኻ እዩሞ፡ ብኣዊሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸአ ከም ዚህቦ፡ ክሳብ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሓልፉኻ እየን። እቲ ናይ ኦም ጉንዲ ዱራት ይጽናሕ እትባህለ ግና፡ ሰማይ ከም ዚመልኽ ምስ ፈለጥካ፡ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ። ስለዚ፡ ዎ ንጉስ፡ ምኽረይ ስማዕ፡ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፡ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቁረጾ፡ ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ። እዚ ኹሉ ንንጉስ ነቡካድነጸር በጽሖ። ድሕርዚ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፡ እቲ ንጉስ ከአ፡ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መግንስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን፡ ኢሉ ተዛረበ። እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንኣኻስ፡ መንግስቲ ኻባኻ ኸይዳ እያ፡ ይበሀለካ አሎ፡ ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከአ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዘደለዩ ኸአ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልኻ እየን፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ወረአ። እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንኣኻስ፡ መንግስቲ ኻባኻ ኸይዳ እያ፡ ይበሀለካ አሎ፡ ካብ ሰብ ክትስጎጉ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከአ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዘደለዩ ኸአ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልኻ እየን፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ወረአ። ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ፡ ጸጉሪ ኸም ናይ ንስሪ፡ ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፡ ካብ ሰብ ተሰጎ፡ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ። እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ኣነ ነቡካድነጻር፡ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለት። ነቲ ልዑል ባረኽኩ፡ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ፡ ግዝኣቱ፡ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር፡ ወደስኩን ኣኽበርኩን። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኹሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቆጸሩን፡ ንሱ ኣብ ሰራዊት ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዝገበር። ንኢዱ ኪኽልክላ፡ ስለምንታይ እዚ እትገብር፡ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን። በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮ ተመልሰለይ፡ ንኽብሪ መንግስተይ ከአ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ፡ ኣነ ኸአ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ፡ ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኸለይ። ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕሊ ኣኤብሎን አሎኹ። ተግባሩ ኹሉ ሓቂ፡ መገድታቱ ኸአ ፍርዲ እዩ እሞ፡ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይኽእል እዩ። ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቲ ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ። ቤልሻጽር ሰኺሩ፡ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፡ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጸር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ አዘዘ። ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከአ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ። ወይኒ እናሰተዩ፡ ነቶም ወርቅን ብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወሰዱ። በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጸን ጸሓፈን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ እትጽሕፍ ኢድ ረአያ። ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፡ ሓሳብቱ ኸአ እጨነቖ፡ ጅማውቲ ሕቕኡ ድማ ላሕልሔ፡ ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ። እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቆጸርቲ ኸዋኽብትን ኬእትውዎም፡ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ዝኾነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኺአስር፡ ኣብቲ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኹላቶም ጠቢባን ንጉስ አተው፡ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣአ ንቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይአሉን። ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዩ ሰምበደ፡ ገጹ ተለወጠ፡ መኳንንቱውን ተጨነቑ። እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስን መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ አተወት። እታ ንግስቲ ኸአ ከምዚ ኢላ በለት፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን፡ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካን፡ ገጽካውን ኣይለወጥ። መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ አሎ። ብዘመን ኣቦኻ ድማ ብብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኽቦ። ዎ ንጉስ፡ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጸር፡ ባዕሉ ኣቦኻ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቆጸርቲ ኸዋኽብትን ሾሞ። ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዘውጽአሉ ዳንኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓል ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ። ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከአ ንዳንኤል፡ እቲ ኻብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰ። ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፡ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኽበካ፡ ሰማዕኩ። ሕጂ ኸአ እቶም ጠቢባንን ፈለጥትን፡ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኼፍልጡኒ፡ ኣብ ቅድመይ ኣምጽእዎም፡ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፡ እተፈልጠ ነገር ከአ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰምዔ አሎኹ። እምበኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስ፡ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትአስር፡ ኣብታ መንግስቲ ኸአ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ህያባትካ ንኣኻ ይኹን፡ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝኾነ ኾይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፡ ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ። ዎ ንጉስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ። ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኩሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ብህይወት ኪነብር ሐደጎ፡ ንዝደለዮ ልዕል አበሊ፡ ንዝደለዮ ኸአ ኣዋረዶ። ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፡ መንፈሱ ኸአ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፡ ካብ ንፋስ መንግስቱ ወረደ፡ ክብረቱውን ተወሰዶ። ካብ ደቂ ሰብ ተሰጎ፡ ልቡ ኸአ ከም ናይ እንስሳ ኾነ፡ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፡ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ፡ እዚ ኸአ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸአ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘቖሙሉ፡ ክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝኾነ። ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፡ ምንም እኳ እዚ ኹሉ ፈሊጥካ ኽንስኻስ፡ ልብኻ ኣየትሓትካን። ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዐልካሉ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፡ ንስኻስ መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን ወደስካ እምበር፡ ንስትንፋስካን ንኹለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን። ስለዚ ኸአ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሐፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት። እዛ ጽሕፈት ስሕፈት እትብሎ ዘላ ኸአ፡ መኔ፡ መኔ ቴቄል ኡፋርሲን፡ እዩ። ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ። ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ። ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቖጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኺብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትካ ተመቔላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት ማለት እዩ። ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፡ ኣብ ክሳዱ ኸአ ድሪ ወርቂ ኺአስሩሉ አዘዘ፡ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋክ ኣንገረሉ። በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸአ፡ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፡ ነታ መንግስቲ ተቐበላ። ዳርዮስ፡ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚኾኑ ሚኣትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሽይም፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮ። እቲ ንጉስ ከይጉዳእሲ፡ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህብዎም፡ ኣብ ልዕሊኦም ሰለስተ ኣርአሰሎም፡ ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከአ ዳንኤል እዩ። ዳንኤል ግና፡ ብሉጽ መንፈስ ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ። ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ ምኽንያት ኪረኽቡሉ ደለዩ፡ ግናኸ እሙን ነበረ፡ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸአ ሰአኑሉ እሞ፡ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኽረኽቡሉ ከቶ ኣይከአሉን። ሽዑ እቶም ሰባት፡ ነዚ ዳንኤልሲ፡ በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተአከቡ እሞ ከምዚ ኢሎም በለዎ፡ ዎ ንጉስ ዳርዮስ ንዘለአለም ህያው ኩን። ኩላቶም ራእስታት መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፡ ዎ፡ ንጉስ፡ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጉድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከአ ኪእውጅ ሓቢሮም መኸሩ። ዎ ንጉስ፡ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፡ ስምካ ጽሂፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ። ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክልን ኣጽንዖ። ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ እዚ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ቤቱ ኸደ፡። እተን መሳኹቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ ዮርሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገበሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፡ ጸለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተአኻኸቡ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ኸአ ረኸብዎ። ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፡ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጉድጉድ ኣናብስ ኪድርብ፡ ኢልካዶ ኸልክል ኣይአወጅካን፡ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከአል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ጸኒዑ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፡ ዎ ንጉስ፡ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝአወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፡ ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ጎሀየ፡ ምእንቲ ኼንግፎ ኸአ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፡ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፡ ኬድሕኖ ተጋደለ። ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተአከቡ እሞ፡ ዎ ንጉስ፡ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ኽልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፡ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፡ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ አዘዘ፡ ንዳንኤል ከአ ኣምጽእዎ፡ ናብ ጉድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፡ እቲ ኹሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ በሎ። ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጉድጓድ ዐጽውዎ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፡ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ። እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራሹ ኸደ፡ ጸሙ ኸአ ሓደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር አየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ። ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ቀልጢፉ ኸአ ናብቲ ጉድጓድ ኣናብስ ከደ። ናብቲ ጉድጓድ ምስ ቀረበ፡ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከአ፡ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ኹሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬንግፈካዶ ኸአለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኮይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸአ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፡ ከቶውን ኣይጎድኡንን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለአለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኮይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸአ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፡ ከቶውን ኣይጎድኡንን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተሐጎሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸአ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጉድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጉድኣት ኣይተረኽቦን። እቲ ንጉስ ከአ አዘዘ፡ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፡ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጉድጓድ ከይበጽሑ ድማ፡ እቶም ኣናብስ ጎበጥዎም፡ ኩሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎም። ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኩላ ምድሪ ዚነብሩ ኹላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ፡ ሰላም ይብዝሓልኩም። ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለአለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፡ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፡ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፍርሁን፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ንሱ የናግፍን የድሕንን፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከአ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ። እዚ ንዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ። ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፡ ዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያትን ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሐፎ፡ ርእሰ ነገሩውን ኣዘንተውዎ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ለይቲ ብራእየይ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ዓብዩ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ። እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፡ ኣኽናፉ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዚምንቆሳ ኸአ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፡ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በሉ፡ ልቢ ሰብውን ተዋህቦ። እንሆ ድማ፡ ካልኣይ፡ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጎድኑ ተንስኤ፡ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፡ ተንስእ ኦ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፡ ከአ በልዎ። ድሕርዚ እንሆ፡ ካልእ ኣራዊት፡ ኣብ ጎድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፡ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ። ድሕርዚ ብራእይታ ለይቲ፡ እንሆ፡ መፍርህን መሰክሕቲ ኣዝዩ ብርቱዕን ዝኾነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፡ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸአ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነብሩ ኹላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፡ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ። ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ኻልእ ቀርኒ ወጸ፡ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመቆሱ። እንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዩ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ። ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንብሮ እጥምት ነብርኩ፡ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ፡ ጸጉሪ ርእሱ ኸኣአ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ መንኮርኮሩ ድማ ጉሁር ሓዊ እዩ። ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ ኸአ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቕይሞም ነበሩ። ፍርዲ ኾነ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቕርኒ እተዛረቦ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዚቕተል ጠመትኩ፡ ስጋኡ ጠፍኤ፡ ምእንቲ ኺነድድ ከአ ንሓዊ ተዋህበ። ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፡ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም። ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፡ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለአለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ። ኣነ ዳንኤል፡ መንፈስ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፡ እቲ ራእያት ርእሰይ ከአ ኣጨነቐኒ። ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኹሉ ኸአ ርግጹ ሐተትክዎ። ንሱ ተዛረበኒ፡ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ። እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም። እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለአለም፡ ኤለ ንዘለአለምም ኣለም ኪወርስዋ እዮም። ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፡ ኣስናኑ ሓጺን፡ ኣጽፊፉ ኸአ ኣስራዝ ዝኾነ፡ ዝወሐጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረገጸን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝኾነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፡ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፡ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፡ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ። ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፡ ርግጽ ኺፈልጥ ደሌኹ። ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፡ ኣስናኑ ሓጺን፡ ኣጽፊፉ ኸአ ኣስራዝ ዝኾነ፡ ዝወሐጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረገጸን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝኾነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፡ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፡ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፡ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ። ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፡ ርግጽ ኺፈልጥ ደሌኹ። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዕል ቅዱሳን ክሳዕ ዚውሀብ፡ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፡ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዕል ቅዱሳን ክሳዕ ዚውሀብ፡ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፡ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ። ንሱ ኸአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ካብ ኩለን መንግስትታት በይና ዝኾነት ዓይነታ፡ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፡ ንኹላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ። እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸአ፡ ካብዚ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝኾነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ፡ ንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶ እዩ። ኣብቲ ልዑል ከአ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዝረብ፡ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፡ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልወጥ ከአ ኪሕልን እዩ፡ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽውሀቡ እዮም። ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፡ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከአ፡ ብግዝኣቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ኹላ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤትን መንግስትታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለአለም መንግስቲ እያ፡ ብዘለው ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዋን ኪእዘዝዋን እዮም። ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተ ይኣዝዩ ኣጨኒቑኒ፡ ገጸይ ተለወጠኒ፡ ነቲ ነገር ከአ ኣብ ልበይ ዐቖርክዎ። ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ንኣይ ዳንኤል፡ ድሕሪ እቲ መጀመርያ እተገልጸለይሲ፡ ርእይ ተገልጸለይ። ብራእይ ከአ ርኤኹ፡ ክርኢ ኸሎኹ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ፡ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከአ ነበርኩ። ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ ክልተ ዘርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ እት ርባ ደው ኢሉ ነበር፡ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልል ዝበላ እየን፡ እታ ሕሓቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት እያ፡ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸአ ደሕሓ እያ ዝወጸት። እቲ ድዑል ድማ ንምራብ ኣቢል፡ ንሰሜን ኣብሉ፡ ንደቡብ ኣቢል ብአቕርንት ይፍልስ ነበረ፡ ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፡ ካብ ኢዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፡ ዓብዩ ድማ ኾነ። ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ፡ እንሆ፡ ድቤላ ኣብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኩላ ምድሪ መጸ፡ ንምድሪ ኸአ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ ነበረቶ። ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ርኤኽዎ ድዑል መጸ፡ ብነድሪ ሓይሉውን ጎየዮ። ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ዝርኤኽዎ፡ ኣዝዩ ኸአ ተቖጥዖ፡ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቲ ሰበሮ፡ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑልን ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰአነ፡ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኼናግፎ ዝኸአለ ኸኣአ ኣይነበረን። እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዓብዩ ኾነ። ምስ በርትዔ ድማ፡ እታ ኦኣባይ ቀርኑ ተሰብረት፡ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንይቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ። ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፡ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ኣዝያ ዐበየት። ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እማ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከአ። ኤረ ኽሳዕ ነቲ ሐለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየል። ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸአ ካብኡ ኣትረፎ፡ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት። እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ገበረ ሰለጠሉ ኸአ። ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኺዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከአ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኺውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነብር፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸአ፡ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፡ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፡ በለኒ። ኮነ ድማ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹ፡ ከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸአ፡ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ። ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፡ ገብርኤል፡ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉ፡ ኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ። ንሱ ኸአ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ፡ ኣስተውዕሎ፡ በለኒ። ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ፡ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒ፡ ቀጥ ኣቢሉ ኸአ ኣቖመኒ። ንሱውን በለ፡ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቖጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ። እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቖርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸአ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ። ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸአ ኣርባዕተ ዝተንስአን፡ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስትታት ኪትንስኣ እየን፡ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረይኣን እየን። ኣብታ መወዳእታ መንግስቶም ከአ፡ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኡ፡ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኮል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ። ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ፡ ብሓይሉ ግና ኣይኮነን፡ መስትንክር ዝኾነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ፡ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ። ብጥበቡ ኸአ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ፡ ብልቡ ኺዕበ፡ ብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ፡ ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኬትንስኦ እዩ፡ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ። እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይስ ሓቂ እዩ። እዚ ራይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፡ ሕተሞ። ኣነ ዳኒኤል ከአ ወዐልኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሐመምኩ፡ ደሓር ተንሳእኩ፡ ኣብ ዕዮ ንጉሱውን ተጻመድኩ። በቲ ራእይ ከአ እድነቕ ነበርኩ፡ ነዚ ዜስተብህል ግና ኣይነበረን። ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፡ ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ከአ ንጉስ ዝኾነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣነ ዳኒኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዩ ኤርምያስ እተዛረቦ ቖጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ፡ ማለት ማዕናው ዮርሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ። ብማቕን ብሓመኹስትን እናጾምኩ ኸአ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፡ ዎ ጎታይ፡ ኣታ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዛትካ ዚሕልውንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብይን እትፍራህን ኣምላኽ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ኣበስና፡ ረሲኣንን ዓለውትን ኮንና፡ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን። ጐይታየ፡ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፡ ንኣይ ግና፡ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ንቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጎጉካዮም ኩለን ሃገራት ኣብ ቀራብን ርሑቕን ዘለው ኹሎም እስራኤል ከምዚ ሎሚ ኾይንንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፡ ጐይታየ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ንኣና፡ ንነገስታትና፡ ንመሳፍንትናን፡ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፡ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኩሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፡ ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፡ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና። ከምቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝወረደስ፡ ኣብ ትሕቲ ኹሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ ዓብዩ መዓት ናባና ብምውራዱ፡ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠለቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ እዚ ኹሉ መዓት ወረደና። ግናኸ ካብ ኣበሳና ኽንምለስ፡ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ኹሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተጋሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፡ ንሕና ኣበስና፡ እኩይ ገበርና። ብሰሪ ሓጢኣትናን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን ዮርሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለው ኹሎም ኮይኖም እዮም እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ኩሉ ጽድቅኽ ጌርካ፡ ንቑጥዓኻ ነድርኻን ካብ ከተማኻ ዮርሳሌም፡ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፡ ከተምልስ እልምነካ አሎኹ። ዎ ኣምላኸና፡ እምበኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለሉኡን ስማዕ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኮናን እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከአ፡ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናውን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት። ጐይታየ፡ ስማዕ፡ ጐይታየ፡ ይቕረ በል፡ ጐይታየ ኣድህብ፡ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፡ ኣምላኸየ፡ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፡ ኣይትደንጉ። ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣትውን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፡ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላ ከቕርብ ከሎኹ፡ ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፡ ገብርኤል፡ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡ ቀልጢፉ ነፊሩ፡ ኣጋ ጌዜ መስዋእቲ ምሸት ተነከየኒ። መሀረኒ፡ ተዛረበኒ፡ በለውን፡ ዳንኤለየ፡ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ። ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፡ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምበኣርሲ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፡ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ። ንዕልወት መወዳእታ ኺገብሮ፡ ሓጢኣት ኪወዳእ፡ ኣበሳ ኺዕረቕ፡ ዘለኣለማዊጽድ ቂ ኺአቱ፡ ራእስይሲ ትንቢትን ኪሕተም፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፡ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። እበኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፡ እቲ ዮርሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፡ መስፍን፡ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፡ ጊዜ ጸብባ ኽነሱ፡ ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከአ መሲህ ኪቕተል እዩ፡ ንርእሱ ግና ኣይኮነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ኸአ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፡ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፡ ጥፍኣትውን ምዱብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ እዩ፡ ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከአ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፡ እዚ ኸአ ክሳዕ እቲ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ። ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፡ እቲ ነገር ከአ ሓቂ እዩ፡ ስለ ዓብዩ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፡ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሎ። በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ። እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ፡ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲውን ኣይተሌኼኹን። ኣብታ መጀምርታ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዩ ርባ ሂዴቄል ነበርኩ። ኣዒንተይ ቄላሕ አበልኩ እሞ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቑኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ። ስጋኡ ኸም በሪሎስ፡ ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም ርእሱ ኣስራዚ፡ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምጺ ብዙሕ ሕዝቢ ነበረ። ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በየነይ እየ ዝርኤኽዎ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፡ ዓብዩ ስምባድ ግና ወደቖም፡ ኪሕብኡ ኽአ ሀደሙ። ሽዑ በይነይ ተረፍኩ፡ ነዚ ዓብዩ ራእይ እዚ ኸአ ርኤኹ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ሓብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ፡ ሓይሊውን ኣይተረፈንን። ድምጺ ቓላቱ ስመኣዕኩ፡ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸአ፡ ውኖይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። እንሆ ኸአ፡ ኢድ ተንከየትኒ፡ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከአ ኣተንስኣትኒ። ንሱውን፡ ኣታ ዳንኤል፡ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣነ ሕጂ ናባኻ ታላኢኸ እየ እሞ፡ ነቲ ኣነ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፡ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፡ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ። በለኒ ድማ፡ ዳንኤለየ፡ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሐትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸአ መጺኤ እኔኹ። እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸአ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ፡ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ። እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘበን ዚኺውን እዩ እሞ፡ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመብ ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ። እዚ ቓላት እዚ ምስ ነገረኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኮንኩ። እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፡ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፡ ጐይታየ በቲ ዝርኤኽዎ ራኣይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፡ ባርያ እዚ ጐይታይስ ከምይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከአሎ፡ በልክዎ። እንሆ ኸአ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፡ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፡ ጐይታየ በቲ ዝርኤኽዎ ራኣይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፡ ባርያ እዚ ጐይታይስ ከምይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከአሎ፡ በልክዎ። ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን። ንሱ ኸአ፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣይትሸበር፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ በርትዕ፡ ኤረ በርትዕ፡ በለ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ ኣነውን ጐይታየ፡ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ተዛርብ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊጥካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸአ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ፡ እንሆ፡ እቲ መስፍን ዮናኒ ኽመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ መጽሃፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም፡ በጀካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን። ኣነ ኸአ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ ሜዶናዊ ኽሕግዞን ከጽንዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕጂ ኸአ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ። እንሆ እንድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኩላቶም ዝበለጸ ኺህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዔ ድማ፡ ንኹላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ኺተንስኦም እዩ። ሽዑ ዓብዩ ግዝኣት ዚገዝእን ዝደለየ ዚገብርን ብርቱዕ ንጉስ ኪትንስእ እዩ። ንሱ ምስ ተንስኤ ኸአ፡ መንግስቱ ክትስበር፡ ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽትመቓቐል እያ። መንግስቱ ኽትፈርስ፡ ካብቶም ናብ ካልኦት ክትሓለፍ እያ እሞ፡ ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ፡ ከምቲ ኺገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከአ ኣይኪህልዋን እዩ። እቲ ንጉስ ደቡብ ኪብርትዕ፡ ሓደ ኻብ መሳፍንቱ ኸአ ኻብኡ ኽብርትዕን ኪገዝእን እዩ፡ ግዝኣቱውን ዓብዩ ግዝእት ኪኸውን እዩ። ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከአ ኪሐብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ፡ ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከአ ኣይኪቐውምን እዩ። ንሳ እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሓሊፎም ኪውሀቡ እዮም። ካብ ሱራ ዝወጸ ውልዶ ግና ኣብታ ቦታኡ ኺትንስእ እዩ፡ ንሱ ናብ ሰራዊት ኪመጽእ፡ ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ኪአቱ፡ ከም ዝደለየ ኺገብሮምን ኪስዕሮምን እዩ። ኣማልኽቶም፡ ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፡ ምስቲ ክቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ኺማርኾም እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ከአ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግኤ ኪቕመጥ እዩ። ንሱ ድማ ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ፡ ግናኸ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ። ደቁ ኸአ ንውግእ ኪዳለው፡ ኣብዚሖም ዓብዩ ሰራዊት ኪእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ኺመጽእ፡ ከም ውሒዝ ውሒዙ ኺሐልፍ፡ ኪምለስ ድማ እዩ፡ ክሳዕ ዕርዱውን ኪዋጋእ እዩ። እቲ ንጉስ ደቡብ ከአ ኪምረር፡ ምስኡ፡ ምስቲ ንጉስ ሰሜን፡ ኪዋጋእ ኢሉውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ንብዙሓት ኬኽትት፡ እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም። ነቶም ብዙሓት ኪወስዶም፡ ልቡ ኸአ ኪዕበ፡ ኣእላፋትውን ኬውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይኪብርትዕን እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ኪምለስ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ዚበዝሑ ብዙሓት ከአ ኬኽተት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ኽመጽእ እዩ። በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ኪትንስእዎ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጸኣታት ነቲ ራእይ ኪፍጽሙስ ልዕል ኪብሉ ግናኸ ኪወድቁ እዮም። እቲ ንጉስ ሰሜን ኪመጽእ፡ ክቢ ኺሰርሕ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸአ ኪሕዛ እዪ። ቀላጽም ደቡብ ኣይኪጸንዕን፡ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ኸአ ንምቅዋም ዚኸውን ሓይሊ የብሎምን። እቲ ዚመጾ ግና ከም ዝደለዮ ኺገብር እዩ፡ ዚቃወሞ ኸአ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም፡ ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ኪኸውን እዩ። ምስ ሓይሊ ኹሉ መንግስቱ ኺመጽእ፡ ኪሰማማዕ ኢሉ ኸአ ገጹ ኽመልስ እዩ። ምእንቲ ኼጥፍኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን፡ ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ። ድሕርዚ ገጹ ናብ ደሴታት ኪመልስ፡ ካብኣተን ከአ ብዙሓት ኪወስድ እዩ። ሓደ መስፍን ግና ነቲ ጸርፉ ኼትርፎ፡ ኤረ ናብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ። ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ኺመልስ፡ ኪሕንኮልን ኪወድቕን እዩ፡ ኣይኪርከብን ከአ እዩ። ሽዑ ካብ ክንዳኡ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ፡ ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ከአ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ኺሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ኪጠፍእ፡ ብቑጥዓ ኣይኮነን፡ ብኹናትውን ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ክብሪ መንግስቲ ዘይህብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ኪትንስእ እዩ፡ ቀስ ኢሉ ኺመጽእ፡ ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ኽሕዛ እዩ። ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዮም፡ ኤረ እቲ መስፍን ቃል ኪዳን እኳ ኸይተረፈ። ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ኸአ፡ ብተንኮል ኪገብር እዩ፡ ኪወጽእን ብሒደት ጭፍራ ኺስዕርን እዩ። ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ኺአቱ እዩ፡ እቶም ኣቦታቱ፡ ኤረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገብርዎ ኺገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን ኬማቕሎም፡ ነተን ጽኑዓት ከተማታት ኪህቅነለን እዩ፡ እዚውን ንቕሩብ ጊዜ እዩ። ዕብዩ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ኬተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከአ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዚ ንውግእ ኪትንስእ፡ ግናኸ ምኽሪ ኺጣበቡሉ እዮም እሞ፡ ኣይኪቐውምን እዩ። እቶም ኣብ መኣዱ ዚበልዑ ኸአ ኪጭፍልቕዎ እዮም፡ ሰራዊቱ ኺውሕዝ እዩ፡ ብዙሓትውን ተወጊኦም ኪወድቁ እዮም። ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም እከይ ኪሐስቡ፡ ኣብ ሓንቲ መአዲ ተቐሚጦም ከአ ሓሶት ኪዛረቡ እዮም። ግናኸ መወዳእትኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዚኸውን እሞ ኣይኪሰልጥን እዩ። ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ኺምለስ፡ ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ፡ ኪገብር ከአ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ። በታ ምድብቲ ዝመን ተመሊሱ ናብ ደቡብ ኪኸይድ፡ ግናኸ እቲ ዳሕራይ ጊዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኪኸውንን ኣዩ። መራኽብ ካብ ኪቲም ኪመጻኦ እየን እሞ፡ ኪሽበርን ኪምለስን እዩ። ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኺዳን ኪኾሪ ኺገብርውን እዩ። ኪምለስ፡ ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐደግዋ ድማ ኪሰምዖም እዩ። ቀላጽሙ ኣብኡ ኪቖሙ፡ ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኼውግዱ፡ ነቲ ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ከአ ኬቕሙ እዮም። ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ፡ ነቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን እዩ። እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኽአ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፡ ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታን ብምርኮን ብበዝባዝን ኪወድቁ እዮም። ምስ ወደቑ ኸአ፡ ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም፡ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም። እዝስ በቲ ምዱብ ግዜ እዩ ዚኸውን እሞ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪኾልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ፡ ኪወድቁ እዮም። እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኺገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስተንክር ኪዛረብን እዩ፡ እቲ ቖጥዓ ኽሳዕ ዚፍጽምሲ፡ ኪሰልጠሉ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኺዕበ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን፡ ነቲ ሃረርታ ኣንስትን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሎምን እዩ። ካብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ኬኽብር፡ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈለጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ኬኽብሮ እዩ። ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ምላኽ ተሓጊዙ ኸምዚ ኺገብሮ እዩ፡ ነቶም ዚቕበልዎ ኽብሪ ኼብዝሓሎም፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኬግዝኦም፡ ከም ዓስቢ ኸኣአ ነታ ምድሪ ኪኽፋፍላ እዩ። ኣብ ዘመን መወዳኣታ ግና እታ ንጉስ ደቡብ ኪገጥመሉ እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ከአ ብሰረገላታትን ብፍራስን ብብዙሕን መራኸብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኮይኑ ኺመጾ እዩ፡ ኣብተን ሃገራት ድማ ኪአቱን ኪውሕዝን ኪሐልፍን እዩ። ናብታ ኽብርቲ ሃገር ከአ ኪአቱ እዩ፡ ብዙሓት ሃገር ድማ ኪወድቁ እዮም። ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢድ ኼምልጡ እዮም። ኣብ ሃገራት ድማ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ፡ ሃገር ግብዚውን ኣይከተምልጥን እያ። ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኩሉ እቲ ኽቡር ኣቓሑ ግብጽን ኪሰልጥን እዩ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ኪስዕብዎ እዮም። ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኼሸብሮ እዩ እሞ፡ ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ፡ ብዓብዩ ነድሪ ኺወጽእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽእ እዩ፡ ዚረድኦ ኽአ የብሉን። በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዩ መስፍን፡ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝህለውላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ኾይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፡ ኣብ መጽሓፉ እተረኽበ ዘበለ፡ ኪድሕን እዩ። ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለውስ ብዙሓት፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለአለም ህይወት፡ ገሊኦም ከአ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለአለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸአ ከም ከዋኽብቲ ንዘለአለም ኣለም ኪበርሁ እዮም። ንስኻ ግና፡ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ዘመን መወዳኣት ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣአ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ዳንኤል ከአ ጠመትኩ፡ እንሆውን፡ ክልተ ኻልኦት፡ እቲ ሓደ ኣብ ክንጀው ገምገም ርባ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓዲኦም ከአ ንቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ስብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእትኡ፡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ጠየቖ። እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተከድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳው ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዐለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኩሉ እዚ ነገር እዚ ኪፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለአለም ህያው ኮይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕክዎ። ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፡ ጐይታየ መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ በልኩ። ንሱ ኸአ በለ፡ ዳንኤለየ፡ እዚ ቓላት እዚ ኽዳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደአ። ብዙሓት ኪጸርዩ ኪጽዕድው ኪኹልዑውን እዮም፡ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፡ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ። ካብቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቖመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ። እቲ ዚጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ። ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከአ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ። ብዘመን እቶም ነገስታት ይሁዳ፡ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ብዘመን እቲ ንጉስ እስራኤል፡ ንዮሮብዓም ወዲ ዮኣስፕ ንሆሴእ ወዲ ባኤረ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ብሆሴእ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ እግዚኣብሄር ንሆሴእ፡ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዩ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ እሞ፡ ኪድ፡ ውለድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና አእቱ፡ በሎ። ከደ እሞ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ኣእተወ። ንሳ ኸአ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሉ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ንደም ይዝሬኤል ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኸውርዶ፡ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ከአ ከጥፍኣ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ይዝሬኤል ክሰባብሮ እየ እሞ፡ ስሙ ይዝራኤል ኢልካ ስመዮ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ንደም ይዝሬኤል ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኸውርዶ፡ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ከአ ከጥፍኣ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ይዝሬኤል ክሰባብሮ እየ እሞ፡ ስሙ ይዝራኤል ኢልካ ስመዮ በሎ። ከም ብሓድሽ ከአ ጠነሰት ጓል ድማ ወለደት። በሎውን፡ ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ይቕረ ኢለ ከቶ ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፡ ስማ ሎሩሓማ ኢልካ ስመያ። ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፡ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን ብፍራስን ብፈረሰኛታትንሲ ኣየድሕኖምን እየ። ንሎሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ፡ ጠነሰት ወዲ ኸአ ወለደት። እግዚኣብሄር ድማ፡ ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፡ ኣነውን ናትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ስሙ ሎዓሚ ኢልካ ስመዮ በሎ። ግናኸ ፍቕዲ ደቂ እስራኤል ኸምቲ ኺሰፍርን ኪፍቀድን ዘይከአል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ኣብቲ፡ ህዝበይ ኣይኮንኩምን እተባህሉሉ ስፈኣ ኸአ፡ ንስኻትኩም ደቂ ህያው ኣምላኽ ኢኹም፡ ኩብልዎም እዮም። ነሕዋትኩም፡ ዓሚ፡ ንኣሓትኩም ከአ፡ ሩሓማ፡ በሉ። ኣዴኹም ሰበይተይ ኣኮነትን፡ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፡ ምስኣ ተኻትዑ፡ ተኻትዑ ምንዝርንኣ ኻብ ገጻ፡ ዝሙታ ኸአ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ። እንተ ዘይኮነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደላ መዓልቲ ጥራይ ኽንብራ፡ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፡ ከም ንቑጽ ምድሪ ኽንብራ፡ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ። ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ ኣይክምሕሮምን እየ። ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፡ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራን ማይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፡ ኢላ እያ እሞ። ስለዚ እንሆ፡ ንጎደናኺ ብእሾኹ ክሐጽሮ፡ መገድታታ ኸይትረኽቦስ፡ ብቑጽሪ ክቐጽራ እየ። ደድሕሪ ፈተውታ ክትጎዩ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፡ ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፡ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ፡ ክትብል እያ። ንሳ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ፡ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፡ ኣይፈለጠትን። ስለዚ ንስርናየይ ብግዚኡ። ንወይነይ ከአ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ድማ ክምንዝዓ እየ። ሕጂ ኸአ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኢደይ ዜድሕና የልቦን። ኩሉ ሓጎሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኩሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍኣ እየ። ነቲ፡ ፈተውተይ ዝህቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፡ ዝበለቶ ተኽሊ ወይንናን ኦም በለሳን ከብርሶ፡ ዱር ከአ ክገብሮ እየ፡ ኣራዊት መሮርውን ኪበልዕዎ እዮም። ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዐጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፡ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ ግና ረስዓትኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ኽሐባብላ፡ ናብ በረኻ ኽወስዳ፡ ንልባ ኸአ ክዛረቦ እየ። ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፡ ለሰ ኣኮር ከአ ከም ደገ ተስፋ ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ ከምቲ ቦታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፡ ድሕርዚ ኸአ በዓለይ ኢልኪ ኣክትጽውዕንን ኢኺ። ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፉ ኸውጽእ እየ፡ ድሕርዚ ኸአ ስሞም ኣይኪዝክርን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ፡ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰባብሮ፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ። ንዘለአለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ ብእምነት ከአ ንኣይ ክሕጸየኪ፡ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኽመልስ እየ፡ ንሰማይ ክመልሰሉ፡ ንሱ ኸአ ንምድሪ ኺመልሰላ እዩ። ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሱሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ኪመልሰሉ እዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፡ ንሎሩሓማ ኸአ ክምሕራ እየ፡ ንሎዓሚ ድማ፡ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፡ ክብሎ እየ። ንሱውን፡ ኣምላኸይ ኪብለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ከአ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቕጫ ዘቢብ ዚፈትውን ደቂ እስራኤል ዘፍቀሮም፡ ደታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፎቲ፡ በለኒ። ኣነ ኸአ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ። ብዙሕ መዓልትታት ተጸበየኒ፡ ኣይትመንዝሪ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፡ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፡ በልክዋ። ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ሓቅን ሳህልን ፍልጠትን ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃኣገር ዚነብሩ ዘለው ነገር አለዎ። መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፡ ደም ንደም ተጻናበረ። ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኹላቶም ምስ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኬሕልው፡ ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም። ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፡ እምበኣርሲ ሓደ እኳ ኣይካታዕ፡ ሓደ እኳ ኣይግናሕ። ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፡ እቲ ነብዩ ኸአ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፡ ኣነውን ነዴኻ ኺድምስሳ እየ። ንህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝአቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽአብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ኸአ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ። ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ብኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ። ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፡ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ አሎ። እቲ ኻህን ከአ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣኻይዳኦም ክቐጽዖም፡ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ። ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓሲጎም እዮም እሞ፡ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከአ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ። ምንዝርና ወይንን ኮልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ። መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፡ ካብ ኣምላኾም ርሒቆም መንዚሮም እዮም እሞ፡ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፡ በትሩውን የነግሮ። ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፡ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ መርዑኹም ድማ ይዝምዋ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ፡ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለው እሞ፡ ኣዋልድኩም ምስ ኣመንዘራ መርዑኹምውን ምዝ ዘመዋ፡ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ኪወድቕ እዩ። ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እንተ መንዘርካ፡ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊልጋል ኣይትእተው፡ ናብ ቤት ኣዌን ድማ ኣይትውጽኡ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከአ አይትምሐሉ። እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐንጊዱ እዩ እሞ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቦታ ኺጓሰዩ እዩ። ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሐቢሩ እዩ፡ ሕደጎ። ሰኽራኖም ይገድድ አሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትው አለው። ንፋስ በኽናፉ ይአስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐንኩ እዮም። ኣብ ሚጽጳ መፈንጠራ፡ ኣብ ታቦር ከአ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝኾንኩም፡ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ ኣቱም ቤት እስራኤል ኣድህቡ ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ። እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፡ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኩሎም ክቐጽዖም እየ። ኣታ ኤፍሬን፡ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፡ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን። መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም አሎ፡ ንእግዚኣብሄር ከአ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ናብ ኣምላኾም ከይምለሱ ግብሮም ይኸልኦም። ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከአ ብአበሳኦም ይወድቁ፡ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ። ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፡ ግናኸ ኣይረኽብዎን፡ ንሱስ ካብኦም ርሒቑ እዩ። ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሒ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ። ኣብ ጊብዓ ቐርኒ ኣብ ራማ ኸአ መለኸት ንፍሑ፡ ናብ ቤትኣዌን ድማ፡ ኣታ ብንያም፡ ኣብ ድሕሬኻ፡ ኢልኩም ኣእውዩ። ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፡ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኣኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ። ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ድብ ዚደፍኡ እዮም፡ ቁጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ። ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምዃድ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ግፉዕ፡ ፍርዲ ኸአ ውጹዕ እዩ። ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፡ ንቤት ይሁዳ ኸአ ከም ቁንቁነ እየ። ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸአ ቁስሉ ምስ ረአዩ፡ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፡ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለአኸ፡ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከአሎን፡ ካብ ቁስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ። ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፡ ንቤት ይሁዳ ኸአ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ፡ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፡ ክወስድ እየ፡ ዜድሕን ድማ የልቦን። በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጾም ከአ ክሳዕ ዚደልዩ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም። ንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸአ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ህያውና ኪገብረና እዩ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸአ ደው ኬብለና እዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህወት ከንነብር ኢና። ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጽኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፡ ንሱ ኸም ዝናም፡ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ። ዎ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ዎ ይሁዳ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዘጠፍእ ኣውሊ እዩ። ስለዚ ብነብያት ቁረጽክዎም፡ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፡ ፍርድኻ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ። ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ። ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፡ በዚውን ጠለሙኒ። ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ። ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ኻህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፡ እወ፡ ሕሰም ይገብሩ። ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርኤኹ፡ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፡ እስራኤል ከአ ረኸሰ። ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፡ ኣታ ይሁዳ፡ ንኣኻ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ አሎ። ሓሶት የዘውትሩ፡ ሰራቒ ይአቱ፡ ጭፍራ ኸተርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ አለው እሞ፡ ንእስራኤል ከሕወዮም ምስ ደሌኹ፡ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ። ኣነ ንኹሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፡ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፡ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከአ አሎ። ንንጉሰ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶምን የሐጎስዎም አለው። ኩላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርሰኖ እቶን እዮም። ንሱ፡ እቲ ብሑቑ ካብቲ ዘቔምጥዖ ክሳዕ ዚበኩዕ፡ ምቑስቋ ይሐድግ። ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፡ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርጊሔ። ብተንከሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፡ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፡ ንግሆ ኸአ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ። ኩላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከአ ይውሕጥዎም። ኩሎም ነገስታቶም ወደቑ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ዚጽውዓኒ የልቦን። ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር አሎ፡ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ። ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፡ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፡ በዚ ኹሉውን ኣይደልይዎን። ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ኽነ፡ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፡ ናብ ኣሶር ይኸዱ። ኪኸዱ ኸለው መርበበይ ክዝርግሓሎም፡ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፡ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም እየ። ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። በዲሎም እዮም እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ። ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ አለው እምበር። ብልቦም ናባይ ኣየድህዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፡ ንኣይ እንከ ዐለውኒ። ኣነ ገሰጽክዎ፡ ቅልጽሞም ከአ አበርታዕኩ፡ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ አለው። ንሳቶም ይምለሱ አለው፡ ናብቲ ልዑል ግና ኣይኮነን። ከም መታለሊ ቐስቲ ኾነ። መሳፍንቶም ብሰሪ ኹራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸአ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪኾኖም እዩ። መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከአ ግሂሶም እዮም እሞ፡ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ እዩ። ንሳቶም፡ ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፡ እናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም። እስራኤል ንሰናይ ደርበዩ፡ ጸላኢ ኸሰጉ እዩ። ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኮነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን። ምእንቲ ኺጠፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገበሩ። ዎ ሰማርያ፡ ብተይካ ደርበየካ፡ ቁጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፡ ክሳዕ መአዝ እዮም ኪጸርዩ ዘይከአሎም፡ እዚ ኸአ ካብ እስራኤል እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ሓደ ዓያዩ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኺሰባብር እዩ። ንፋስ ይዘርኡ አለው፡ ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፡ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እተን ኣውጽኤ እኳ፡ ጓኖት ምወሐጥዎ። እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ኾነ። ከምቲ ንበይኑ ዚነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ወጺኦም አለው። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ። ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሀቡ፡ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸአ ምውሓድ ኪጅምሩ እዮም። ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፡ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኮኖ። ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሓፍኩምሎም፡ ጓና ኾይኑ እዩ ዚቖጸር። መስዋእተይ የቕርቡ፡ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዐዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ኣበሶኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከአ ኪቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም። እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዖ፡ ኣዳራሻት ሀነጸ፡ ይሁዳ ኸአ እተዐርደ ኸተማታት ኣብዝሔ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንሱውን ንግብምታቱ ሞኽ ኬብሎ እዩ። ዎ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ሓደግካ መንዚርካ፡ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ሰርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻ እሞ፡ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሓጎስ። ዓውድን መጽመቑ ወይንን ኣይቅልቦምን፡ ኮልዒ ወይኒ ኸአ ይጠልሞም። ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩን፡ ኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ይበልዑ። ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍሱሱን፡ መስዋእቲ ሕሩዶም ከአ ባህ ኣየብሎን፡ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይኾኖም፡ ካብኡ ዚበልዕ ዘበሉ ኹሉውን ይረክስ። እንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይአቱን። እንሆ፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፡ ግብጺ ትእከቦም፡ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተኾርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከአ እሾኽ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ዓብዩ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም። እንሆ፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፡ ግብጺ ትእከቦም፡ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተኾርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከአ እሾኽ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ዓብዩ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም። መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፡ መዓልትታት ፍዳ መጻ፡ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፡ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዩ ዐሸወ፡ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዐበደ። ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፡ ነቲ ነብዩ ኣብ ኩሉ መገዱ መፈንጠራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ አሎ። ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝኾነ፡ ኣዕሚቖም ተበላሸው። ንሱ ኣበሶኦም ይዝክር፡ ሓጢኣቶም ከአ ይቐጽዕ። ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኮር ኦም በለስ ዘሎ ቐዳማይ ፍረ ርኤኽዎም። ንሳቶም ናብ በዓልጴኦር አተው፡ ንነውሪ ኸአ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፋናት ኮኑ። ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፡ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን። ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፡ ሐደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፡ እወ፡ኣነ ኻባታቶም ምዝ ዝርሕቆም ወይለኦም። ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኮይኑ ርኤኽዎ፡ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ሀቦም። እንተይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸንን ንጹፍ ጡቡን ሀቦም። ኩሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፡ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፡ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፡ ኩሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም። ኤፍሬም ተወቕዔ። ሱሮም ነቐጸት፡ ፍረ ኣይፈርዩን፡ እንተ ወለዱ እኳ፡ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ። ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ኣምላኸይ ይድርብዮም፡ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኮብለልቲ ይኾኑ። እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሔ፡ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓወልትታት ኣጸበቐ። ልቦም ተመቕለ፡ ሕጂ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመሰውኢታቶም ይሰባብሮም፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ሓሸምሸም የብሎ። ኤረ ሕጂስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈራህናዮን እም፡ ንጉስ የብልናን፡ ንጉስከ እንታይ ኪገብረና እዩ፡ ይብሉ። ዘረባ ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡ ኪዳን ይአትው፡ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቁል። እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤትኣዌን ይፈርሁ። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሓዝነሉ፡ እቶም ካህናት ጣኦታቱ ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ። ንሱ እኳ፡ ንንጉስ ያሬብ ኪውሀብሲ፡ ናብ ኣሶር ይውሰድ። ኤፍሬም ይሐፍር፡ እስራኤል ከአ ብምኽሩ ይሐንኽ። ሰማርያ ምስ ንጉስ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ። እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን፡ ሓጢኣት እስራኤልውን፡ ይጠፍእ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾኽን ተኾርባን ይበቁል። ንሳቶም ከአ ነኽራን ክደኑና፡ ንኹርባታት ድማ ውደቑና፡ ይብልዎም። ዎ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገበርካ፡ ንሳቶም ኣብኡ ቖሙ፡ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝኾነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኸቦምን እዩ። ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፡ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተአስሩ፡ ህዝብታት ንጉድኣቶም ኪእክቡ እዮም። ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፡ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፡ ይሁዳ ኺሐርስ፡ ያእቆብውን ኪጉልጉል እዩ። ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ጽድቂ ኸአ ክሳዕ ዜዝንመሎምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዮሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግዒውን ጽግኡ። ንስኻ ብመገድኻ፡ ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ረሲእነትካ ሐረስኩም፡ ኣበሳ ዐጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት ባላዕኩም። ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፡ ሳልማን ንቤትኣርብኤል ዘጥፍኣ፡ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ኪለዐል፡ ኩሉ ዕርድታትካውን ኪፈርስ እዩ። ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤትኤል ከምኡ ይገብረኩም፡ ምድሪ ኺወግሕ ከሎ ድማ፡ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይጠፍእ። ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ። ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፡ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከአ ዐጠኑ። ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፡ ብቕልጽመይ ሓቖፍክዎም፡ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፡ ኣይፈለጡን። ኣነ ብገመድ ሰብ፡ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፡ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኮንክዎም፡ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም። ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፡ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝአበዩ፡ ኣሶራዊ ይነግሶ። ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከአ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፡ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪኾሞን ኪውሕጦን እዩ። ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቢ ተሰቕለ፡ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፡ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን። ዎ ኤፍሬም፡ ከምይ ገይረ ኽሐድገካ፡ ዎ እስራኤል፡ ከምይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፡ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፡ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፡ ኩሉ ምሕረተይ ነደደ። ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፡ ብነድሪ ቑጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፡ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፡ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ። ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸአ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ። ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፡ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፡ ኣነውን ኣብ ኣብይቶም ከንብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኤፍሬም ብሓሶት ቤት እስራኤል ከአ ብተንኮል ከበቡኒ፡ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኮይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ። ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከአ ይስዕብ፡ ኩሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጽን የብጽሕን፡ ምስ ኣሶር ኪዳን ይአትው፡ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ። እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፡ ንያእቆብ ከአ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፡ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ። ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓው ብኹርኹሪኡ ሐዞ፡ ብምብርታዑ ኸአ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ። ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፡ በኸየ፡ ለመኖ ኸአ ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፡ ኣብኡውን ተዛረበና። ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ። እምበኣርሲ ናብ ኣምላኸካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፡ ኩሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር። ከንኣናዊ እዩ፡ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን አለዎ፡ ምጥዋይ ይፈቱ። ኤፍሬም ከአ፡ ኣነ ሀብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥሬኹ፡ ኣብ ኩሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን በለ። ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ክንብረካ እየ። ንነብያትካ ከአ ተዛረብኩ፡ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፡ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ። ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ኾነ፡ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፡ መሰውኢታቶም ከአ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተኾመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ። ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመ፡ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፡ ምእንቲ ሰበይቲ ኸአ ጓሳ ኾነ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዩ ኻብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ብኢድ ነብዩ ኸአ ሐለዎ። ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቖጥዖ ስለዚ ጎይትኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉ፡ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኺመልሰሉ እዩ። ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፡ ስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፡ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ። ሕጂ ኸአ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ አለው። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታት፡ ብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፡ ይገብሩ አለው፡ ኩሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከአ፡ እቶም ዚስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎም፡ ይብሉ። ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዚዘፍፍ አውሊ፡ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዚብተን ብቑብቑ፡ ከምቲ ብመስኮት ዚወጽእ ትኪ ይኾኑ ግናኸ ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን። ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ምድረ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ። ብመጠን መጓሰዩኦም ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፡ ስለዚ ረስዑኒ። ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ኾንክዎም፡ ከም ነብሪ ኸአ ኣብ መገዲ ኣዴቢ አሎኹ። ኮራኩራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ኾይነ ህሩጉ እብሎም፡ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከአ እቐዶ፡ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውሕጦም፡ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም። ዎ እስራኤል፡ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካ ጥፍኣትካ እዩ። ንጉስካ ኣብ ኩለን ከተማታትካ ኼድሕነካ አበይ አሎ፡ እቶም ብዛዕባኦም፡ ንጉስን መሳፍንትን ሀበኒ፡ ዝበልካሎም ፈራዶኻከ ኣበይ አለው። ብኹራይ ንጉስ ሀብኩኻ፡ ብቑጥዓይ ድማ ክሰዕሮ እየ። ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩ፡ ሓጢኣቱ ተነቢሩ አሎ። ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቐልውላው ይመጾ፡ ጊዜ ምስ በጽሔ፡ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፡ ዘይለባም ወዲ እዩ። ኣብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፡ ካብ ሞት እብጀዎም፡ ኣታ ሞት፡ ፌራኻ ኣበይ አሎ፡ ኣታ ሲኦል፡ ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፡ ጣዕሳ ኻብ ኣዒንተይ ተሓብኤት። ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪ፡ ንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ኻብ ምድረ በዳ ይፈሪ፡ ንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ኻብ ምድረ በዳ ዚወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእ፡ ዓይኒ ማያቱ ኸአ ይነቅጽ፡ ወሓዚታቱውን ይነጽፍ፡ ዕቋሩን ኩሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ። ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ፡ ብበአላ ትቕጻዕ፡ ብሰይፍ ይወድቁ፡ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፡ ጥኑሳት ኣንስቶም ከአ ይቕደዳ። ዎ እስራኤል፡ ብኣበሳኻ ወዲእካ ኢኻ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፡ ኩሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከአ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፡ በልዎ። እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፡ ኣሶር ኣየድሕነናን፡ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፡ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና። ኩራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፡ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ። ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እኾኖ፡ ንሱ ኸም ዕምበባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከአ ሰረውሩ ይሰድድ። ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፡ ምጽባቑ ኸም ኣውሊ፡ መአዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ። ዎ ኤፍሬም ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፡ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፡ ፍሬኻ ኻባይ እዩ ዚመጽእ። መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣይናይ ለባም እዩ፡ ንዮኤል ወዲ ጱቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኣቱም ኣረገውቲ፡ እዚ ስምዑ፡ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ኹላኩምውን ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ኾይኑ እዩ፡ እዚ ንደቅኹም ኣዘንትውሎም፡ ደቅኹም ከአ ንደቆም፡ ደቆምውን ነቲ ድሕራይ ወለዶ የዘንትውሉ። ካብ ኩብኩብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፡ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸአ ጎደቦ በልዖ፡ ካብ ጎደቦ ዝተረፈ ድማ ሐሰኻ በልዖ። ኣቱም ሰኸርቲ፡ ንቕሑን ብኸዩን፡ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ኹላትኩም፡ እቲ ኹልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ። ቁጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸአ አለዎ። ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፡ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፡ ብጥራስ ቀንጠጦ፡ ደርበዮ፡ ጨናፍሩውን ጻዕደወ። ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ። መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፊኡ፡ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ አለው። እኽሊ በሪሱ፡ ኮልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሐዝን አላ። እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ። ተኽሊ ወይኒ ነቐጸ፡ ኦም በለስ ከአ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየ ቱፋሕን ኩሉ ኣእዋም መሮርን ነቐጸ፡ እወ፡ ሓጎስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ። መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኹም ተኸልኪሊ እዩ ኣሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዐጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ። ጾም ቀድጹ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም አክቡ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከአ ተማህለሉ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ካብቲ ኹሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ኾይና ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ኣየ እዛ መዓልቲ እዚኣ። መግቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፡ ሓጎስን ደስታን ከአ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኮነን፡ እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኩሉ መሽመሸ፡ እኽሊ ህጉጉ እዩ እሞ፡ ቁፋፋ ባዶ ኾነ፡ መዓኸንውን ፈረሰ። ኣየ፡ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እትነ መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣሓ ዚጓስያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ አለዋ። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፡ ንኹሉ ኣእዋም መሮር ከአ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ። ወሓዚ ማያት ነጺፉ፡ ነቲ መጓሰዩ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለው። መዓልቲ እግዚኣብሄር ተመጽእ አላ፡ ቀሪባ ኸአ እያ እሞ፡ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለው ኹላቶም የንቀጥቅጡ። መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን፡ መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕ። ዓብይን ሓያልን ህዝቢ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ፡ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶ ዚሐልፍ ከቶ ዘይኸውን። ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞኽ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅስሚኡ ኸም ገነት፡ ኣብ ድሕሪኡ ኸም ጸምጸም በረኻ እያ፡ ካብኡ ዜምልጥውን የልቦን። ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፡ ከም ፈረሰኛታት ይጎዩ። ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት፡ ከምቲ ንሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ ፡ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ። ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ፡ ኩሉ ገጽ ይጽልም። ከም ጀጋኑ ይጎዩ፡ ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ በብጎደናኡ ይሐልፍ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣየግልሱን። ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን፡ ነፍሲ ወከፍ በበመገዱ ይሐልፍ፡ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይአትው ኣይቖስሉን ከአ። ናብታ ኸተማ ይወሩ፡ ኣብ ቀጽሪ ይሆዩ፡ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፡ ከም ሰራቒ ብመሳኹቲ ይአትው። ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት የንቀጥቅጥ፡ ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፡ ከዋኽብቲ ኸአ ብርሃኖም ይኽወሉ። ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ፡ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ፡ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ፡ መንከ ኺጽመማ ይኽእል፡ እምበአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንኹራ ጸንጓዩ ብሳህሊ ኸአ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ፡ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ደአ ቕደዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ኾነ፡ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ክዕነ፡ መን ይፈልጥ። ኣብ ጽዮን መለኸት ነፍሑ፡ ጾም ቀደሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ። ህዝቢ ኣኪቡ፡ ማሕበር ቀድሱ፡ ኣረገውቲ አክቡ፡ ቁልዑን ጡብ ዚጠብውን አክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይወጽእ፡ መርዓት ከአ ካብ ሕልፍኝአ። እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ንሐፎ፡ ነቲ ርስትኻ፡ ኣህዛብ ኪገዝእዎ ኢልካ፡ ንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብ፡ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ። ዚበሀል። እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤ፡ ንህዝቡ ኸአ ራሕርሔ። እጊዝባሂር ንህዝቡ መለሰሉ በሎውን፡ እንሆ፡ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፡ ብእኡ ኸአ ክትጸግቡ ኢኹም፡ ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት መላገጺ ኣይገብረኩምን እየ። ነቲ ሰሜናዊ ኻባኻትኩም ከርሕቆ፡ ናብ ደረቕን ዝዐነውን ምድሪ ኽሰጎ እየ፡ ገጽ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ዝባኑ ኸአ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ እዩ። ዓብዩ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ምብድባዱ ኺወጽእ፡ ምምሽማሹ ድማ ኪደይብ እዩ። ኣቲ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ዓብዩ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ ተሕጎሲ ባህውን ይበልኪ። ኣቱም እንስሳ መሮር፡ እቲ መጓሰዩ በረኻ ለምሊሙ፡ ኦም ፍሬኡ ይፈሪ፡ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከአ ሓይሉ ይህብ አሎ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ዝናም ጽድያ ብልክዕ ይሀብኩም፡ ዝናብ ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም አሎ እሞ፡ ተሐጎሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ባህ ይበልኩም። ኣዕውዲ ኸአ እኽሊ ኺመልእ፡ መጽመቑታትውን ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ። ኣነ ኸአ እቶም ኣንበጣን ኩብኩብታን ጎደበን ሓሰኻን፡ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዩ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ። መብልዕ ክትበዑ ኽትጸብጉውን ኢኹም፡ ነቲ ተአምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለአለም ኣይሐንኽን። ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘሎኹ፡ ኣነ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ፡ ብጀካይ ድማ ካልእ ከም ዜልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ህዝበይውን ንዘለአለም ኣይሐንኽን። ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፡ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ክኽዑ እየ፡ አወዳትኩምን አዋልድኩምን፡ ኣጉባዝኩም ከአ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እትኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክኽዑ እየ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከአ ተአምራት፡ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፡ ክርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፡ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፡ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ። ኪኸውን ከአ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ዮርሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኺድሕን እዩ። እንሆ ኸአ፡ በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፡ ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከአ እተማቐልዋ ኣህዛብ፡ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኸአቱስ፡ ንኹሎም ህዝብታት ክእክብፕም፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከአ ከውርዶም እየ። ንህዝበይ ዕጭ ኣውደቑሉ፡ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቖልዓ ሀቡ፡ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸአ። ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። እንሆ፡ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፡ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፡ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ህዝብ፡ ናብ ለሰ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ። እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት አውጁ፡ ውግእ ኣዳልው፡ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይውጽኡ። ማሕረሻኹም ሰይፊ፡ ማዕጺድኩም ከአ ኩናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፡ ኣነ ጅግና እየ፡ ይበል። ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኹልኹም ህዝብታት፡ ቀልጥፉ፡ ንዑ፡ ተአከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብኡ ጅጋኑኻ ኣውርዶም። ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ፡ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከአ ይውጽኡ። እከዮም ስለ ዝዐበየ፡ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ፡ እቲ መጽሙቑ መሊኡ፡ ኣጋንእ ከአ ይጅርብብ አሎ እሞ፡ ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፡ ጭፍራ፡ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፡ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ድምጺ ኻብ ዮርሳሌም የስምዕ፡ ሰማይን ምድርን ከአ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቖቢ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ። ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ፡ ክትፈልጡ ኢኺም። ዮርሳሌም ከአ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም። በታ መዓልቲ እቲአ ኪኸውን እዩ፡ ኣኽራን ኮልዒ ወይኒ ኺነትዑ፡ ኩርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዙ፡ ካብ ኩሉ ርባታት ይሁዳ ኸአ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዪ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኑ ማይ ኪፍልፍል፡ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ። ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፡ ግብጺ ኽትባድም፡ ኤዶም ከአ ጸምጸም በረኻ ኽትከውን እያ። ይሁዳ ግና ንዘለአለም ትነብር፡ ዮርሳሌም ከአ ንውሉድ ወለዶ። ኣነ ድማ ነቲ ጸየጽሬኽዎ ደሞም ክጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ። ቃላት ኣሞጽ፡ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፡ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም፡ ወኢድ ዮአስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረአዮ። በለውን፡ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ካብ ዮርሳሌም ከአ ድምጹ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዚጓስይሉ ይሐዝን፡ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዲ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብአ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣዳራሻት ቤንሃዳድ ከአ ሞኹ ኬብሎ እዩ። ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፡ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ከአ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፡ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ክህብዎምሲ፡ ንኹሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣዳራሻታ ኸአ ሞኽ ኬብሎ እዩ። ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፡ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ክጽንቶም እየ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፡ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከአ ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚባሄር ኣምላኽ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ነቶም ምሩኻት ብምሉአቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም፡ ንኺዳን ኣሕዋት ከአ አይዘአሮምን እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻታ ኸአ ሞኽ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንሓው ብሰይፊ ሰጉጉዎስ፡ ኩሉ ምሕረት ከአ ዐጽዩ፡ ኩራኡ ድማ ኩሉ ጊዜ ቐዳዲዱ፡ ነድሩውን ንሓዋሩ ዐቑሩ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ የ፡ ነቲ ኣዳራሽ ቦጽራ ኸአ ሞኹ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ዶቦም ምእንቲ ኼግፍሑስ፡ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ” መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዉ ኽአጉድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻታ ኸአ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፡ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞኽ ኬብሎ እዩ። ንጉሶም ድማ፡ ንሱ ምስ መሳፍኑ፡ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፡ ሓሙኹሽቲ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ሞአብ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ሞአብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻት ቅርዮት ከአ ሞኹ ኬብሎ እዩ። ሞአብ ድማ ብዕግርግርን ብጭድርታን ብድሃይ መለኸትን ክትመውት እያ። ንፈራዲ ኻብ ማኣከላ ኽጽንቶ፡ ንኹሎም መሳፍንታ ኸአ ምስኡ ክቐትሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንጊ እግዚኣብሄር ንዒቖም፡ ንስርዓቱ ኸአ ኣይሐለዎን፡ እቲ ኣቦታቶም ደድሕሪኡ ዝኸድዎ ሓሶቶም ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ይሁዳ፡ ኤረ ስለ ዝርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻት ዮርሳሌም ከአ ሞኽ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፡ ነቲ ድኻ ኸአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም፡ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጎጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩ፡ ንመግዲ ትሑታት ይጠውይዎ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኬርክስዎ ድማ፡ ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ። ኣብ ጥቓ ኹሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቐበለዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ፡ ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ። ግናኸ ኣነ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ኦም ሊባኖስ፡ ምጽናዑ ድማ ከም ኣውሒ ዝነበረ ኣሞራዊ ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፋእክዎ። ንፍሬኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰረውሩ ኸአ ካብ ታሕቲ ኣጥፋእክዎ። ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እየ፡ ሃገር ኣሞራዊ ኽትወርሱ። ካብ ደቅኹም ነብያት፡ ካብ ኣጉባዝኩም ከአ ናዝራውያን ኣተንሳእኩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ከምኡዶ ኣይኮነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎም፡ ንነብያት ከአ፡ ኣይትነበዩ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም። ከምቲ እንዳእቲ ዝመልኤት ዓርብያ እትሰግድ፡ እንሆ ኣነ ኽስግደኩም እየ። ጎያዩ ምህዳም ይስእን፡ እቲ ብርቱዕ ድማ ምብርታዑኣየበርትዖን፡ እቲ ጅግና ኸአ ነፍሱ ኣየድሕንን። ብዓል መንትግ ድማ ደው ኣይብልን፡ ብዓል ቅልጡፍ እግሪ ኸአ ኣይምልጥ፡ ፈረሰኛውን ነሱ ኣይድሕንን። በታ መዓልቲ እቲአስ ካብቶም ጀጋኑ እቱ ኣዝዩ ተባዕ እኳ ጥራይ ይሀድም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ነቲ ኣንጻርኩም፡ ኣንጻር እቲ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ኹሉ ዓሌት፡ እዚ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኻብ ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፡ ስለዚ ብሰሪ ኹሉ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ። ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማዑስ፡ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡ ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዜብሉዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፡ ሽደን እንበሳስ ገለ ኸይሐዘዶ ኻብ ጉድጓዱ የድሂ እዩ። ዑፍከ ዜፈንጥራ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሐዝ እያ፡ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሐዘ ኻብ ምድሪ ይለዐል እዩ፡ መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስ፡ ህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ፡ እግዚኣብሄር ከየገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ። ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ አን እይ ዘይንበ። ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከአ፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተአከቡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዩ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፡ ኢልኩም ኣውጁ። ኣብ ኣዳራሻት ኣሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከአ፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተአከቡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዩ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፡ ኢልኩም ኣውጁ። እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዚድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ጸላኢ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር አሎ፡ ንሱ ንሃይልኺ ኻባኺ የውርድ፡ ኣዳራሻትኪውን ይብዝበዝ ይብል አሎ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዜድሕን፡ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኩርናዕ ዓራትና ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለው ደቂ እስራኤል ኪድሕኑ እዮም። ስምዑ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከአ መስክሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ሰራዊት። በታ አነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ዝቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውእታት ቤትኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኪቐረጽን ኣብ ምድሪ ኪወድቕን እዩ። ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፡ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ዓበይቲ ኣባይቲውን ኪድምሰስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ እትነብራ ኣሓ ብሳን፡ ንድኻታት እትጠቕዓ ንመሰኪን ከአ እተጨንቓ፡ ንጎይተትክን፡ ኣምጽኡ፡ ንስተ እትብላ፡ እዚ ቓል እዚ ስምዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቕድስናኡ መሐለ፡ እንሆ እተን ንስኻትክን ብዓንቃሪቦ፡ እቶም ካባኽን ዝተረፉ ድማ ብመቐለብ ዓሳ እትስሐባለን መዓልታት ኪመጻኽን እየን። ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ፍሩስትኽ ኢልክን ኣብ ቀቅድሜኽን ክትወጻ፡ ናብ ሃርሞን ከአ ክትድርበያ ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጉን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኽን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝኾነ፡ ፌራ ሰደድኩልኩም፡ ነጉባዝኩም ብሰይፊ ቐተልክዎም፡ ነፍራስኩም ማራኽክዎም፡ ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣደየብክዎ፡ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዝገልበጠን፡ ገልበጥኩኹም፡ ንስኻትኩም ከአ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ እያድኮንኩም። ግናኸ ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመልስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ኣታ እስራኤል፡ ከምዚ ኽገብረካ እየ። እዚ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ። እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕ፡ ንፋስ ከአ ዚፈጥር፡ ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝኾነ ዚገልጸሉ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ዚረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ኣብ ልዕሌኹም ዝቑዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ፡ እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ፡ ደጊም ኣይትትንስእን፡ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ ኣላ፡ ዜተንስኣ ድማ የልቦን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ሽሕ ዚወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፡ እታ ሚእቲ ዚወጽዋ ኸአ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል አሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ጊልጋል ብርግጽ ክትማረኽ፡ ቤትኤል ድማ ከንቱ ኽትከውን እያ እሞ፡ ንቤትኤል ኣይትድለዩ፡ ናብ ጊልጋል ከአ ኣይትእተው፡ ናብ ብኤርሸባዕውን ኣይትሕለፉ። ከም ሓዊ ኾይኑ ናብ ቤት ዮሴፍ ህሩግ ክይብል፡ ኣብ ቤትኤል ዜጥፍኦ ተሳኢኑ ኸአ ሞኽ ከየብሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፡ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኽም። ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፡ ንጽድቂ ኸአ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፡ እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብቲ ንኦርዩንን ዝገብረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልወጦ፡ ንመዓልቲ ኸአ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእ፡ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ። እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብቲ ንኦርዩንን ዝገብረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልወጦ፡ ንመዓልቲ ኸአ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእ፡ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ። ነቲ ኣብ ደገ ዚገንሕ ይጸልእዎ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከአ ይፍንፍንዎ። ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፡ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ስርናይ ከአ ስለ ዝግደፍኩምዎ፡ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፡ ኣይክትነብርዎን ከአ ኢኹም፡ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፡ ወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም። ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፡ ሓጢኣትኩም ከም ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብብሉ ደርሆ ትቕበሉ፡ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም። ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል። ብህይወት ክትነብሩስ፡ ሰናይ ድለዩ፡ እከይ ኣይኮነን። ከምኡ ኸአ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። እከይ ጽልኡ፡ ሰናይ ከአ ኣፍቅሩ፡ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዮሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ እቲ ጐይታ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ኩሉ ኣደባባያት ኪቐዙም፡ ኣብ ኩሉ መገድታት ከአ ዋይዋይ ኪበሀል እዩ። ንሓረስታይ ናብ ሐዘን፡ ነቶም መልቀስ ዚኽእሉ ኸአ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም። ብማእከልካ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ኪኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም መዓልቲ እግዚኣብሄር እትደልዩ፡ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፡ ንሳስ ጸልማት እያ፡ ብርሃን ኣይኮነን። ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚሀድም እሞ ድቢ ዚጓነፎ፡ ከምቲ ናብ ቤት አትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጸግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄርሲ ጸልማትን ብርሃንን ዜብላንዶኸ ኣይኮነትን፡ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኮነትን፡ ንበዓልትኩም ጸላእኩም ነዐቕኩም ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሽትቶን። መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፡ ኣይክቕበሎን እየ፡ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቁሊሕ ኣይክብሎን እየ። ድሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፡ ቃና መሰንቆታትካ ኸአ ኣይሰምዕን እየ። ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፡ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ። ኣቱም ቤት እስራኤል ኣርብዓ፡ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም፡ ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገብርኩምዎ ኮኾብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም። ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኸኩም እየ፡ ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር። እቶም ኣብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም። ናብ ካልነ ሕልፋነ ጠምቱን፡ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ከዱ፡ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከአ ውረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት እዚኤን ይበልጻ እየን፡ ወይስ ዶበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ፡ ንስኻትኩም ነቲ ሕስምቲ መዓልቲ ኣትርሕቑ፡ ነታ መንበር ዓመጻ ኸአ እትቐርቡ ኢኹም። ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊኦዕ ጥቦታውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፡ ብደሃይ መሰንቆን ዚደርፉ፡ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልው፡ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፡ ብሉጽ መአዛ ኸኣ ዚልከዮ፡ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጉህዩ እዮም። ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኪማረኹ እዮም፡ ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ክውዳእ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርእሱ መሐለ፡ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፡ ኣዳራሻቱ ከአ ጸላእኩ፡ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኹላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፡ ኪሞቱ እዮም። ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኬውጽኦስ፡ እንተ ኣልዐሎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፡ ንሱ ኸአ፡ ሐደ እኳ የልቦን፡ ኢሉ ይመልሰሉ፡ እቲ ድማ፡ ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ እሞ፡ ስቕ በል፡ ይብሎ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ይእዝዝ አሎ እሞ፡ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፡ እታ ንእሽቶ ቤት ከአ ክትጭፍለቕስ ኪወቅዓ እየን። ንፍርሲ ናብ መርዚ፡ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፡ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብኡ ይሕረሱ እዮም፡ ንስኻትኩም ብኸንቱ ነገር እትሐጎሱ፡ ብሓይልናዶ ኣይኮንናን ብኸንቱ ነገር እትሕጎሱ፡ ብሓይልናዶ ኣይኮንናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለዚ እንሆ፡ ህዝቢ ኽተንስኣልኩም እየ፡ ንሳቶም ከአ ካብቲ መእተዊ ሃማት ክሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባሀ ኬጨንቕኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጀመርታ እቲ ዳሕራይ ምጥጣዕ ኣንበጣ ፈጠረ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ዳሕራይ ጠጥዒ ድሕሪ ኦኣጺድ ንጉስ ነብረ። ኮነ ድማ ነቲ ሳዕሪ ምድሪ ብጥራስ ምስ በልዖ፡ ኣነ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ፡ በጃኻ ይቕረ በል በልኩ። እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር፡ እዝስ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓዊ ኪቐጽዕስ ጸውዔ፡ ነቲ ዓብዩ ዓሚቑ ሞኽ ኣበሎ፡ ነቲ ግደኸአ በልዖ። ኣነ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ፡ በጃኻ ሕደግ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እዚውን ኣይኪኸውንን እዩ በለ። ንሱ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ ልክዕ መንደቕ ደዊ ኢሉ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣታ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በለኒ፡ ኣነ ኸአ፡ ሐደ መለክዒ መንደቕ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣታ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በአኒ። ኣነ ኸአ፡ ሐደ መለክዒ መንደቕ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣንሆ ኣነ ንመለክዒ መንደቕ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከንብሮ እየ፡ ደጊም ድሕርዚ ኣይክሓልፎምን እየ። እቲ በረኽቲ ቦታ ይስሃቅ ኪዖኑ፡ እቲ መቕድስ እስራኤል ከአ ኪፈርስ እዩ፡ ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኣ እየ፡ በለ። ሽዑ ኣማስያ ካብን ቤትኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉሎካ አሎ። ንሱ የሮብዓም ብሰይፊ ኽመውት፡ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ንኹሉ ቓላቱ ምጽዋአ ስኢናቶ ኣላ። ሽዑ ኣማስያ ካብን ቤትኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉሎካ አሎ። ንሱ የሮብዓም ብሰይፊ ኽመውት፡ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ንኹሉ ቓላቱ ምጽዋአ ስኢናቶ ኣላ። ኣማስያ ድማ ንኣሞጽ፡ ኣታ ነብዩ፡ ኪድ ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም፡ ኣብኣ ኸአ እንጌራኻ ብላዕ ኣብኣውን ተነበ፡ ቤትኤል ግና መቕደስ ንጉስን ቤተ መንግስትን እያ እሞ፡ ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ፡ በሎ። ኣሞጽ ከአ ንኣማስያ መለሰሉ በሎውን፡ ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር፡ ነብዩ ወይስ ወዲ ነብዩ ኣይኮንኩን። መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ፡ እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ በለኒ። እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ንስኻ ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ፡ ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ ትብል ኣሎኻ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከአ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፡ ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ፡ እስራኤል ከአ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ኺማረኹ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርእየኒ፡ እንሆ ኸአ፡ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኽፈር። ንሱ ኸአ፡ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ በለ። ኣነ ድማ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር በልኩ። እግዚኣብሄርውን፡ ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጾም፡ ደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልዶምን እየ፡ በለኒ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ መዝሙር ኣዳራሺሲ ብኽያት ይኸውን፡ ሬሳታት ይበዝሑ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ብስቕታ ይድርበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣቱም፡ ኤፉ እናኣንአስና፡ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፡ ሰርቂ ወርሒ መአዝ ኮን ይሐልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፡ ሰንበት መአዝ ኮን ትሐልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፡ ነቲ መስኪን ከአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሸጦ፡ ጉርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፡ እትብሉ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፡ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፡ እዚ ስምዑ። ኣቱም፡ ኤፉ እናኣንአስና፡ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፡ ሰርቂ ወርሒ መአዝ ኮን ይሐልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፡ ሰንበት መአዝ ኮን ትሐልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፡ ነቲ መስኪን ከአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሸጦ፡ ጉርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፡ እትብሉ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፡ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፡ እዚ ስምዑ። ኣቱም፡ ኤፉ እናኣንአስና፡ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፡ ሰርቂ ወርሒ መአዝ ኮን ይሐልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፡ ሰንበት መአዝ ኮን ትሐልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፡ ነቲ መስኪን ከአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሸጦ፡ ጉርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፡ እትብሉ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፡ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፡ እዚ ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ኣነ ብኹሉ ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፡ ኢሉ ብኽሉ ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፡ ኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሐለ። እታ ሃገር በዚ ምኽንያት እዚኦ ኣይተንቀጥቅጥን፡ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኹላቶምከ ኣይሐዝኑንዶ፡ ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሐዚ ኽትለዐል፡ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ በለቕ ክትብልን ለጠቕ ክትብል እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ቀትሪ ኸሎ ንምድሪ ክዕርባ፡ ኣብ ድሙቕ መዓልቲውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ። ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሐዘን፡ ንኹሉ መዛሙርኩም ከአ ናብ ቁዝማ ኽልውጦ እየ፡ ኩሉ ጎድኒ ኸሊ ኸም ዚኽደን ኩሉ ርእሲ ድማ ከም ዚላጸ ኽገብር እየ። ከም ሐዘን ብሓደ ውሉድን መወዳእታኡውን ከም መራር መዓልትን ክገብር እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኮነን። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፡ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ይኽብልሉ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኪደልዩስ ናብዝን ናብትን ይጎዩ፡ ኣይረኽብዎን ከአ። በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽቡቓት ደናግልን እቶም ኣጉባዝን ብጽምዲ የሕለልው። እቶም ብሓጢኣት ሰማርያ ዚምሕሉ እሞ፡ ኣታ ዳን፡ ኣምላኽካ ህያው እዩ፡ መገዲ ብኤርሸባዕ ከአ ህያው እዩ፡ ዚብሉ ይወድቁ፡ መሊሶምውን ኣይትንስኡን። እግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ ደዊ ኢሉ ርኤኽዎ፡ በለውን ነቲ ጎልላት ውቕዓዮ፡ እቲ ልዳውቲ ኸአ ይናቓነቕ ኣብ ርእሲ ኹላቶም ሰባብሮ፡ ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ኸአ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ፡ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ፡ ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን እዩ። ኩዒቶም እኳ ናብ ሲኦል እንተ አተው፡ ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ። ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፡ ኣነ ደልየ ኻብኡ ኸውጽኦም እየ፡ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡ፡ ኣብኡ ንተመን ከእዝዞ እየ፡ ኪነኽሶም ከአ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱ እኳ፡ ናብኡ ንሰይፊ ዘይኮነስ ንሕሰም ኣዒንተይ ናብኦም ከጠምተን እየ። ንምድሪ ዚትንክያ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፡ ንሳ ኽአ ትመክኽ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኹላቶም ድማ ኪሐዝኑ እዮም። ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፡ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ ለጠቕ ክትብል እያ። እቲ ኣዳራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሔ፡ ጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፡ ንምያት ባሕሪ ዚጽውዕ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኹም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፡ ንሶርያውያን ከኣ ካብ ቂር ኣነዶ ኣይኮንኩን ዘውጻእክዎም፡ እንሆ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሕጥእ መንግስቲ እየን፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸአ ከጥፍኣ እየ፡ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ፡ ንቤት እስራኤል ከአ ከምቲ ብሜሔ ዚሕሔ ስርናይ ኣብ ማእከል ኩሎም ህዝብታት ክንዝንዛ እየ፡ ሓንቲ ስርናይውን ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ። እቶም፡ ሕሰም ኣይኬርከበናን ኣይክበጽሓናን ከአ እዩ፡ ዚብሉ ኹሎም ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፍ ኺሞቱ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፡ ነቓዓታ ኸአ ክጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ኹሎም ህዝብታትን ኪወርሱስ፡ ንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣአ ክሀንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፡ ነቓዓታ ኸአ ክጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ኹሎም ህዝብታትን ኪወርሱስ፡ ንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣአ ክሀንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ፡ እቲ ጻማቑ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዜርክበሉ መዓልትታት ኪመጻ እየን። ኣኽራን ከአ ኮልዒ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡ ኩሉ ኩድኩዶታት ድማ ክመክኽ ኣዩ። ኣነ ኸአ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፡ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኑ ኸአ ኪሰትዩ፡ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ። ድሕርዚ ኸአ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቁሱን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ። ራእይ ኦብድያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል አሎ፡ ተንስኡ፡ ምስኣ ኽንውጋእስ ንለዐል፡ ዚብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፡ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝባታት ኣንኣስኩኻ፡ ንስኻ ኣዚኻ እተነዐቕካ ኢኻ። ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድማ፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዝወርደኒ፡ እትብል፡ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ። ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድማ፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዝወርደኒ፡ እትብል፡ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ። ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፡ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፡ ካብኡ ኽውርደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ክንደይ ኮን በረስካ፡ ክሳዕ ዚእኽሎምዶ ኣይምሰረቐን፡ ብተኽቲ ወይኒ እንተ ዚመጹኻስ፡ ገለ ዘለላዶ ኣይምሐደጉልካን፡ ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ተጎርጎረ፡ እቲ ሕቡእ መዝገብስ ክንደይ ተደልየ። እቶም ቃል ኪዳን ዝአተውልካ ሰባት ኩሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፡ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከአ ጠበሩኻ፡ ዐብለሉኻ ድማ፡ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፡ ኣእምሮ የብሉን፡ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፡ ካብ ከረን ኤሳው ከአ ምስትውዓልዶ ኣይክጥፍእን እየ፡ ኣታ ቴማን፡ ሰብ ዘበለ ኻብ ከረን ኤሳው ብምቕታል ኪጥረስሲ፡ ጀጋኑኻ ተስፋ ኪቖርጹ እዮም። ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበረካዮ ዓመጽ፡ ሕፍረት ክኽድነካ እዩ፡ ንዘለአለም ከአ ክትጸንት ኢኻ። በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፡ መጻእተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝአተውላ፡ ንዮርሳሌም ከአ ዕጭ ዘውደቑላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ። እምበኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፡ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሐጎስ፡ በታ መዓልቲ ጸባባ ትዕቢት ኣይትዛረብ። በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርኤ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ። ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፡ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦም። መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኹላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበርካዮ ኺገብሩኻ እዮም፡ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለሰካ እዩ። ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፡ ከምኡ ኹሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኺሰትዩ፡ እወ ኪሰትዩ ኺጭልጡውን እዮም ከም ዝየነበሩ ኸአ ክኾኑ እዮም። ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኪሕልው እዮም፡ ንሰውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፡ ቤት ያእቆብ ከአ ርስቶም ኪርስትዩ እዮም። ቤት ያእቆብ ሓዊ፡ ቤት ዮሴፍ ከአ ሃልሃልታ፡ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሐሰር ኪኾኑ እዮም። ኣብኦም ኬንድዱን ኪውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይኪተርፉን ኣዩ። እቶም ኣብ ደቡብ ዘለው ንኸረን ኤሳው፡ እቶም ኣብ ጎልጎል ዘለው ኸአ ንፍልስጥኤማውያን ኪርስትዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ኪርስትይወን እዮም፡ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ። እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኣኤል ነቲ ናይ ከነኣናዊያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጳታ ኺርስትዩ፡ እቶም ካብ ዮርሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለው ድማ ንኸተማታት ደቡብ ኪወርስወን እዮም። መናገፍቲ ኸአ፡ ንኸረን ኤሳው ኪፈርዱስ፡ ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፡ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ። ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዩቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ። ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዩቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ። ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፡ ናብ ያፋ ኸአ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፡ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከአ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ አተወ። እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ። እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈኽሰሎም ከአ፡ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደረበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ፡ ከቢድ ድቃስውን ደቂሱ ነበረ። እቲ ሐለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፡ ኣታ ደቃሲ፡ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ ተንስእ፡ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽ ከይጠፍእ እንተ ሐሰበናስ፡ ናብ ኣምላኽካ ተምህለል በሎ። ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኸበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፡ ተባሃህሉ። ዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት። ሽዑ ንሳቶም፡ ንገረና ኾታ፡ እዚ ረኪቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጺእካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ በልዎ። ንሱ ኸአ፡ ኣነ እብራዊ እየ፡ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይውን እፈርሆ እየ፡ በሎም። ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ኻብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም ፈለጡ፡ ዓብዩ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደአ እዚ ገብረካ፡ ከአ በልዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ በልዎ። ንሱ ድማ፡ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፡ እቲ ባሕሪ ኸአ ኪሀድኣልኩም እዩ፡ በሎም። እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኽምለሱ ብምቕጻፍ ይጋደሉ ነበሩ፡ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እንበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን። ሽዑ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንልምነካ አሎና፡ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ዝፈቶኻዮ ፌርካ ኢኻ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ። ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደረበይዎ፡ እቲ ባሕሪውን ካብ ምንዋጹ ሀድኤ። እቶም ሰባት ከአ ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርሁ፡ መስዋእቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ፡ መብጽዓውን ተማባጽዑ። እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዩ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከአ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ። በለ ድማ ፡ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱ ኸአ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ። ንስኻ ናብቲ መዓሙቑ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበብኒ፡ ኩሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ። ኣነ ኸአ በልኩ፡ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጎጉኩ፡ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ። ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቑ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባህሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ናብ መሰተር ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕሌይ ኮነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጉድጓድ ኣውጻእካያ። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ አተወ። እቶም ናብ ሐሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፡ ጸጋኦም ይሐድጉ። ኣነ ግና ብድምጺ ምስግና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸአ ኽፍጽሞ እየ፡ ምስሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ አዘዞ፡ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ። ንዮናስ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከአ ኣውጀላ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። ንዮናስ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከአ ኣውጀላ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፡ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺአቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሐ ክትግምጠል እያ፡ ኢሉ አወጀ። ሰብ ነነዌ ኸአ ንኣምላኽ አመኑ፡ ጾም ድማ አወኩ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናኣሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፡ ካብ ኣፉ ዝተንስኤ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ክሻ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተአወጀ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፡ ኣይውፈራ፡ ማይውን ኣይስተያ፡ ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፡ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከድ ከአ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፡ ንሕና ኸይንጠፍእ ከአ ካብ ጉህር ቁጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ። ኣምላኽ ከአ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረአዩ፡ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከአ። ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጉሀዮ፡ ኮረየውን። ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ አሎኹ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኮነን፡ መሓርን ርሕሩሕን ንኹራ ደንጓይን ብዓል ዓብዩ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ እምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ እልምነካ አሎኹ፡ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ብምኹራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ በለ። ዮናስ ከአ ካብታ ኸተማ ወጸ፡ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኽርኢ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከአ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኽተናግፎ ኢሉ፡ ጉልዒ ኣዳለወ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጉልዒ ኣዝዩ ተሐጎሰ። ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔ፡ ኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳላወ፡ ንሱ ኸአ ነታ ጉልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት። ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፡ ኣምላኽ ውዑይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፡ ጸሓይ ከአ ንዮናስ፡ ክሳዕ ዜሕለሉ፡ ርእሱ ወቕዓቶ። ንሱውን፡ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ፡ ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ። ኣምላኽ ከአ ንዮናስ፡ በታ ጉልዒ ኽትቁጣዕዶ ይግበኣኣካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሞት ክቑጣዕ እኳ ይግበኣኒ እዩ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከአ በሎ፡ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፡ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቖለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጉልዒ ጉሂኻ። ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ። እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፡ ብዛዕባ ሰማርያን ዮርሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረአዮ ናብኡ ኸአ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኩላትኩም፡ ስምዑ፡ ኣቲ ድሪ ምስ ምልኣትኪ፡ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር እወ፡ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ። እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፡ ይወርድ፡ ኣብ በረኸት ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፡ ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፡ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት ኣኽራን ብትሕቲቁ ይመኩ፡ ስንጭሮታት ከአ ይጭደዱ። እዚ ኹሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኮነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ ዮርሳሌምዶ ኣይኮነትን። ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኩምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ስንጭሮ ኽንከራርዎ፡ ንመሰረታ ኸአ ክቐልዖ እየ። እቲ ቕሩጽ ምስልታት ኹሉ ኺሰባብር፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ኹሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባትም፡ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪኾና እዮም እሞ፡ ኣነ ንኹላቶም ጣኦታት ኸባድሞም እየ። ቁስላ ዘይሐዊ እዩ፡ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፡ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፡ ክሳዕ ዮርሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፡ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፡ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኮይነን እኸይድ፡ ከም ወኻርያ እበኪ፡ ከም ሰገን ከአ ደሀይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ። ቁስላ ዘይሐዊ እዩ፡ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፡ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፡ ክሳዕ ዮርሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፡ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፡ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኮይነን እኸይድ፡ ከም ወኻርያ እበኪ፡ ከም ሰገን ከአ ደሀይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ። ትንቢት ሚክያስ ጎደሎ ትንቢት ሚክያስ ጎደሎ ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይትነበዮሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ። ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይትነበዮሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ። ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይትነበዮሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ። ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይትነበዮሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ። ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሀል፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ሐጺሩ እዩ፡ ግናኸ እዚ ድዩ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚኸይድሲ ቓላተይዶ ሰናይ ኣይኮነን፡ ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ጊዜ ጀሚሩ ኸም ጸላኢ ተላዕለ፡ ነቶም ጸረ ውግእ ዝኾኑ ሀዲኦም ዚሐልፉስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ። ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኤን ትሰጉወን፡ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ። ብሰሪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘኢጥፍእ ርኽሰት፡ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኮነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ። ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ከንበየልካ፡ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዚስዕብን ሓሶት ዚዛረብን እንተሎ፡ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዩ ይኸውን። ዎ ያእቆብ፡ አነ ኽእክበካ፡ ኩለንትናኻ ኽእክብ፡ ነቲ ተረፍ እስራኣኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፡ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ከምጽእ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዐለ ብርቱዕ ወኻዕታ ኪኸውን እዩ። እቲ ጠሓሲ ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፡ ንሳቶም ይጥሕሱ፡ ናብታ ደገ ኸአ ይሐልፉ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ርእሶም ይኸውን። ኣነ በልኩ፡ ኣቱም ኣሕሉቕ ያቕቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ ስምዑ ኾታ፡ ፍርድ ምፍላጥሲ ኣባኻትኩምዶ ኣይኮነን፡ ሰናይ እትጸልኡ፡ እከይ ከአ እትፈትው፡ ቁርበቶም እትቐልጥዎም፡ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም፡ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፡ ከምቲ ኣብ ቁራዕ፡ ናብ ድስቲ ዜቱ ስጋ እትቑራርጽዎ ኢኹም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፡ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፡ ከምቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም፡ ገጹ ኻብኦም ኪሐብእ እዩ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፡ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፡ ከምቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም፡ ገጹ ኻብኦም ኪሐብእ እዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚስሕቱስ በስናኖም ዚነኽሱ፡ ሰላም ዝእውጁ፡ ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ድማ ውግእ ዜዳልውሉ ነብያት ከምዚ ይብል አሎ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ፡ ኣብ ክንዲ ጥንቋላ ኸኣ ጸልማት ኪኾነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዐርብ፡ መዓልቲ ድማ ትጽምልቶም። እቶም ራእይ ዚርእዩ ኽንውሩ፡ እቶኦም ጠንቆልቲ ኸአ ኪሐንኩ እዮም፡ ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡ ኩላቶም ጭሕሞም ኪኸድኑ እዮም። ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ከአ ሐጢአቱ ኽነግሮስ፡ በመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ አለኹ። ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንዮርሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡ ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንዮርሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡ ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸአ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኮነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ። ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ ዮርሳሌም ከአ ኩምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኩርባ ዱር ኪኸውን እዩ። በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኹድኹዶታት ከአ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከአ ካብ ዮርሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪከዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ንሱ ኸአ ጎደናታቱ ኺምህረና እዩ፡ ንሕናውን ብመገድታቱ ኺንመላለስ ኢና፡ ከአ ኪብሉ እዮም። ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከአ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኩናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከአ የልቦን። ኩሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለአለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ ነታ እተሰጎትን ነታ አነ ዘጨነቕክዋን ክሕብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነታ ሓንካስ ንተረፍ፡ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጎት ከአ ብርቱዕ ህዝቢ ኺገብረን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለአለም ኪነግስ እዩ። ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ ኣታ ኹርባ ጓል ጽዮን፡ ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፡ እታ መንግስቲ ጓል ዮርሳሌም ክትመጸካ እያ። እምበኣርሲ ስለምንታይ ደአ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፡ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፡ መኻሪኸዶ ጠፊኡ እዩ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጂ ኻብታ ኸተማ ኽትወጺ፡ ኣብ መሮር ከአ ክትሰፍሪ፡ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ፡ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእትኺ ኺብጀወኪ እዩ እሞ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ አቕለለውን ተጨነቕን። ሕጂ ኸአ፡ ትርከስ፡ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጠምታ፡ ዚብሉ ብዙሓት ህዝብታት ተአከቡኺ። ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፡ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም አሎ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ቀርንኺ ሓጺን፡ ሾኾናኺ ድማ ነሓሲ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ ኣኺዲ፡ ብዙሓት ህዝብታት ከአ ክትሰባብሪ ኢኺ፡ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፡ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ኹላ ምድሪ ክቕድሶ እየ። ኣቲ ጓል ጭፍራ፡ ጭፍራኺ ኣክቢ፡ ብኽቢ ይኸቡና፡ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጉርቱ ይወቕዕዎ። ግናኸ፡ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለአለም ዝኾነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኽመጸለይ እዩ። ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም። ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐውምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዩ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም። ንሱ ሰላም ኪኸውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ኣዳራሽና ኸአ ምስ ረገጸ፡ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኽነተንስኣሉ ኢና። ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፡ ንሃገር ኒምሮድ ከአ ኣብ ደጌታት ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፡ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ። እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፡ በደቂ ሰብ ከአ ተስፋ ዘይገብር፡ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፡ ከም ካፉ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ። እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፡ ይረጋግጽን ይሰላልዕን፡ ዜናግፎ ድማ የልቦን። ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኩሎም ጸላእትኻውን ይጽነቱ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ነፍራሳ ኻብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፡ ንሰረገላታትካ ኸአ ክሰባብሮ እየ። ንኸተማታት ሃገርካ ኼጥፍኤን፡ ንኹሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ። ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፡ ጠንቆልቲ ኸአ ኣይክህልውኻን እዮም። ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድሕርዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ይክትሰግደሉን ኢኻ። ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኺምንቆሰን፡ ንኸተማታትካ ኸአ ከፍርሰን እየ። ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቑጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ። እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ስምዑ፡ ተንስእ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ ንኹድኹዶታት ከአ ደሃይካ ኣስምዓዮም። እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር አለዎ፡ ምስ እስራኤል ድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ንስኻትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፡ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ። ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ ገይረካ እየ፡ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ፡ እስኪ መስክረለይ። ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ኣውጺእካ፡ ካብ ቤት ባርነት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከአ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፡ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፡ በለዓም ወዲ ቤዖር ከአ ዝመለሰሉ፡ ካብ ሸጢም ክሳዕ ጊልጋል ዝኾነውን ዘክር። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፡ ዚሐርር መሰዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ክቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፡ እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፡ ስለ በደለይዶ በኹሪ ወደይ፡ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከአ ፍረ ኽርሰይዶ ኸውፊ እየ፡ ኣታ ሰብ ቅኑዕ ኽትገብር፡ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮነስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ። ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ፡ ጥበብ ከአ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነታ ሾቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ። እቲ መዛግብ ረሲእነትን ነቲ ጽዩፍ ጎደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ አሎ እዩ፡ ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነትን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ኪኸውን እየ፡ እቶም ሃብታማት ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፡ ልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ። ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ኽሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ። ንስኻ ትበልዕ፡ ግናኸ ኣይትጸግብን፡ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፡ ትሕዝ፡ ግናኸ ኣይተድሕንን፡ እቲ ዘድሐንካዮ ኸአ ንአደዳ ሰይፊ ኽምጥዋ እየ። ንስኻ ትዘርእ፡ ግናኸ ኣይትዐጽን ፍረ ኣውልዕ ትጎድእ፡ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኩልዒ ወይኒ ትጸምቑ፡ ወይኒ ግና ኣይትሰትን። ኣነ ንኣኻ መሰክሒ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸአ ንፉጻ ኽገብርሲ፡ ስርዓት ኣምርን ኩሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልው፡ ንስኻትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ አሎኹም እሞ፡ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም። ኣነ ኸምቲ ፍረ ቐውዒ ተቐንጠበን ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፡ ዚብላዕ ዘለላ ዜብለይ ኮይነ እየ እሞ፡ ወይለይ፡ እታ ነፍሰይ እተተምነየታ በኹሪ ጠፍኤ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኹላቶም ብደም የድብዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓው ብመርበብ ይሀድኖ። ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ ይብሉ ፈራዲ ኸአ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩውን ሀርፉን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጎንጉኑ፡ ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ ይብሉ ፈራዲ ኸአ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩውን ሀርፉን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጎንጉኑ፡ እቲ ኻባታቶም ዝሔሸ ኸም ተኾርባ እዩ፡ እታ ዝቐንዔ ኸአ ኻብ ሓጹር እሾኹ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሐለስትኻ እታ መዓትካ መጸት ሕጂ ኺሽበሩ እዮም። ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዒ ኣዲኣ፡ መርዓት ከአ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ይለዐላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኾይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቑፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ። ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዒ ኣዲኣ፡ መርዓት ከአ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ይለዐላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኾይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቑፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ። ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋይ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ። ኣቲ ጸላኢተይ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፡ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፡ ብኣይ ኣይትተሐጎሲ። እግዚኣብሄር፡ በዲለዮ እየ እሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽአለይ፡ ንቑጥዓኡ ኽጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዪ፡ ጽድቁውን ክርኢ እየ። ሽዑ እታ፡ ኣበይ አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝበለትኒ ጸላኢተይ ክትርእዩን ሓፍረት ክትክደንን እያ፡ ኣዒንተይ ክርእያኣ እየን፡ ሕጂ ኸም ጭቃ መገዲ ኽትርገጽ እያ። እታ መካባብያኺ እትስርሓላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ኪርሕቕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን ካብ ግብጺ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ፡ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ከረንውን ክሳዕ ከረን ናባኺ ኺመጹ እዮም። እታ ሀገር ግና ብምኽንያት እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ። ህዝብኻ፡ ነታ ኣብ ዱር፡ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዮ። ከምቲ በተን ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልትታት፡ ተኣምራት ክርእዮም እየ። ኣህዛብ ኪርእዩ፡ ብሓይሎም ዘበለ ኹሉውን ኪሐርኩ እዮም፡ ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፡ ኣእዛኖም ኪጸሙ። ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፡ ኣእዛኖም ኪጸሙ እዮም። ከም ተመን ሓመድ ኪልሕሱ፡ ከምለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ኪወጹ ራዕራዕ እነበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺመጹ፡ ንኣኻውን ኪፈርሁ እዮም። ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ኣበሳ ዚሐድግ፡ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዚሕልፍ መን እዩ፡ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ኩራኡ ንዘለአለም ኣይዐቁርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቑ ባሕሪ ትድርበዩ። ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ሓቂ ንያእቆብ፡ ምሕረት ከአ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ። ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ራእይ ናሆም ኣልቆሻዊ። እግዚኣብሄርሲ ቕንእን ፈዳይ ሕን ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቁጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፡ ንጸላእቱ ኸአ ይቕየሞም። እግዚኣብሄር ንኩራ ደንጓይን ብዓል ዓብዩ ሓይልን እዩ፡ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቆጽሮን፡ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፡ ደበና ኸአ ተጎጓ ኣእጋሩ እዩ። ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፡ ንኹሉ ርባታት የንጽፎ፡ ብሳንን ቀሜሎስን ጸምለው፡ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ። ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፡ ኩርባታት ከአ ይመኩ፡ ምድርን ዓለምን ኣብኡ ዚነብሩ ኹላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ። ኣብ ቅድሚ ኹራኡ ደው ዚብል መን እዩ፡ ኣብ ረስኒ ቑጥዓኡስ መን ይቐውም፡ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቆቡ ድማ ይፈልጦም እዩ። ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኦ እዩ፡ ንጸላእቱ ኸአ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ። ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሐስቡ፡ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፍእ እዩ፡ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ። ምንም እኳ ኸም እሾኹ እንተ ተተናነጎ፡ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፡ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞኹ ኪብሉ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዚሐስበሉ፡ ሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፡ ካባኻ ወጸ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን ኣንተ ኾኑ፡ ኪዕጸዱ እዮም፡ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ። ሕጂ ድማ ኣርዑት ኻባኻ ኽሰብር እየ፡ ንማእሰሪታትካ ኸአ ክበታትኾ ኣየ። እግዚኣብሄር፡ ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፡ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፡ እተነዐቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ ኣየ፡ ኢሉ ብዛዕባኻ አዘዘ። እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ከአ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን አለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከአ ጸኒቱ እዩ እሞ፡ ዎ፡ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡ መብጽዓኻ ፈጽም። ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፡ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፡ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፡ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ፡ እሞ፡ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፡ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፡ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፡ ሕቆኻ ኣደልድሎ፡ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ። ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፡ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፡ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፡ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ፡ እሞ፡ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፡ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፡ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፡ ሕቆኻ ኣደልድሎ፡ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ። እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቖሔ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸድኑ፡ በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ። እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፡ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፡ ትራኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፡ ከም መባርቕ ድማ ይጎያ። ንኸበርቴታቱ ይዝክር፡ ኪኸዱ ኸለው ይዕንቀፉ፡ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉ፡ መጸግዒ ድማ ተዳለወ። ደጊታት ወሓይዝ ይኽፈት፡ እቲ ኣዳራሽ ከአ ይመክኽ። ክውን እዩ፡ ጥራይ ኮይና ተማረኸት፡ ኣግራዳ ድማ ኣፍልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ አለዋ። ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልኤ ሓጽቢ ነበረት፡ ግናኸ ሀደሙ። ደው በሉ፡ ደው በሉ፡ በልዎም፡ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን። እቲ መዝገብ ድልቢ፡ ኣብ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑ፡ ታእላው የብሉን እሞ፡ ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ። ባዶን ጥራያን ኮነት ባደመት፡ ልቢ መኸኸ ኣብራኽ ከአ ራዕራዕ በለ፡ ኩሉ ሕቖ ሐመመ፡ ገጽ ኩሎምውን ጸለመ። እቲ ሽደናት ዚበልዑሉ፡ ኣንበሳን ዋዕሮን ኮራኩር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዜብሎም ኮይኖም ዚዛወሩሉ ቦታ ኣናብስ ኣበይ አሎ፡ ኣነበሳ ንኹራኹራ ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸአ ሐነቐለን፡ ብዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጎድጉዱ ኸአ ብዝዘረፎ መልአ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እኔኹ ኣብ ልዕሌኺ እየ፡ ንዓረብያታታ ኣንዲደ ኽትክኾ እየ። ነቶም ኩረኩር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ፡ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይሰማዕን እዩ፡ ይብል አሎ። እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልኤት፡ ምዝራፍ ከአ ዘይትሐድግ ከተማ ደም ወይለኣ። ደሃይ ሓለንግን ደሃይ እቲ ድዋዕዋዕ ዚብል መንኮራኹርን ጋለብት ኣፍራስን ዚጎያ ዓረብያታትን ይስማዕ። ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መብረቕ ኩናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኩምራ ምውታትን ቁጽሪ ዜብሎም ሬሳታትን ኮነ፡ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ። እዚ ኸአ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርና፡ ንዓሌታት ከአ ብጠንቆላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፡ ፈላጥ ጠንቋሊት እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ አነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፡ ንህዝብታት ዕርቃንኪ፡ ንመንግስትታት ከአ ነውርኺ ኽርእዮም እየ። ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፡ ንዕቕቲ ኽገብረኪ መላገጺ ኽትኮኒውን ክውፍየኪ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዚርእዩኺ ዘበሉ ኹላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፡ ነነዌ ባይመት፡ መንከ ይበኽየላ፡ ዜጸናንዑኺ ኻባይ ክደልየኪ እየ፡ ኪብሉ እዮም። ንስኺዶ ኻብታ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፡ ማያት ዝኸበባ፡ ቀጽራ ባሕሪ መካበብያኣ ኸአ ባሕሪ ዝኾነ ኖኣምን ትበልጺ ኢኺ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይላ ነበሩ፡ ፋጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ። ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፡ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ኹሉ መገድታት ተጨፍለቑ፡ ኣብቶም ክቡራት ሰባት ኸአ ዕጭ ኣውደቑ፡ ኩላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቑሕ ተአሰሩ። ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዩ ኢኺ። ኩሉ ዕርድታትኪ ኸም በኹሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፡ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፡ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ። እንሆ፡ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ኾኑ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት ኣየን፡ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ። ክትክበቢ ኢኺ እሞ፡ ማይ ቅድሒ፡ ዕርድኺ ኣጽንዒ፡ ኣብ ጭቃ እተዊ፡ መሬት ርገጺ፡ መስርሕ ጡብ ከአ ኣጣጥኢ። ኣብኡ ሓዊ ኺበልዓኪ፡ ሰይፊ ኼጥፍኣኪ፡ ከም ኩብኩብታ ኺበልዓኪ እዩ። ከም ኹብኩብታ ብዝሒ፡ ከም ኣንበጣ ብዝሒ። ነነጋዶኺ ኻብ ኸዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕክዮም። ኩብኩብታ ፋሕ ይብል፡ ነፊሩውን ይኸይድ። እቶም ዘውዲ ዝደፍኡ ኣባኺ ዘለው ኸም ኣንበጣ፡ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቑሪ ኣብ ሓጹር ዚሰፍር ጭፍራ ኹብኩብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ይሀድሙ፡ አበይ ከም ዝነበሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ። ዎ ንጉስ ኣሶር፡ ጓሶትካ ደቀሱ፡ እቶም ከበርቴታትካ ዐረፉ፡ ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ በሉ፡ ዚእክቦም ድማ የልቦን። እከይካ ኹሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐልፎ መን እዩ፡ ስለዚ ንቑስልኻ ፈውሲ የብሉን፡ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፡ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ኹላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ። ነብዩ ኣንባቆም ዝረአዮ ጾር እዚ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መአ ከእዊ እዩ፡ እነ፡ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣይድሐንካን። ስለምናትይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፡ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል። ስለዚ ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ኪበብዎ እዩ እሞ፡ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ። እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይትአምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር አሎኹ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርአዩን ጠምቱን፡ ተገረሙን ተደነቑውን። እንሆ፡ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፡ ኣብ ሰፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ። ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፡ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ። ኣፍራሶምኳ ነብሪ ይቕልጥፉ፡ ካብ ቶኹላ ምሸት ይፈጥኑ፡ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፡ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ። ኩላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፡ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፡ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ። ንነገስታት የላግጹሎም፡ መሳፍንቲ ኸአ መስሓቒ ይኾንዎ። ብኹሉ ዕርድታት ይስሕቁ፡ መሬት ይእክብ፡ ይወስዶ ኸአ። ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፡ ንኽንየው ይሐልፍ፡ በዳሊ ኸአ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ኣምላኽ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቕዱሰይ፡ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኮንካን፡ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፡ ኣታ ኸውሒ፡ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም። ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፡ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኮነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፡ ከመይከ እቲ ረእሲ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፡ ከመይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመታን እትገብሮም፡ ንኹላቶም ብመቑለብ ኣውጽኦም፡ ብመርበቡ ሰሓቦም፡ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፡ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል። ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን አሎ፡ እዚ ኸአ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፡ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ። ስለዚዶ መርበቡ ኼዐርቕ እዩ፡ ኩሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቕትል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኼትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተጠንቂቐ ኽርእስ፡ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፡ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቕውም እየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናይ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፡ ኣይሕሱን ከአ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጉያ ኺንበብሲ፡ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፡ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፡ ኢሉ መለሰለይ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናይ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፡ ኣይሕሱን ከአ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጉያ ኺንበብሲ፡ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፡ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፡ ኢሉ መለሰለይ። እንሆ፡ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኡውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር። ወይኒ ኸአ መጋገዩ እዩ፡ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሀድእን፡ ነፍሱ ኸም ሲኦል የግፍሕ፡ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፡ ንኹላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፡ ንኹላቶም ህዝብታት ከአ ናብኡ ይኣኻክቦም። እዚኣቶም ኩላቶም፡ እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፡ ኣብ ረእሱ ኸአ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዩ፡ እናበሉ ብምስላን ብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም፡ እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን፡ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሑንዶ እዮም፡ ንስኻውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢኻ። ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኩላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብአተን ዚነብሩ ኹላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም። እምኒ ኻብ መንደቕ ኬእዊ፡ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሱሉ እዩ እሞ፡ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፡ ካብ ኢድ መዓት ከአ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፡ ንነፍስኻውን ሓጣእካ። እምኒ ኻብ መንደቕ ኬእዊ፡ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሱሉ እዩ እሞ፡ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፡ ካብ ኢድ መዓት ከአ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፡ ንነፍስኻውን ሓጣእካ። እምኒ ኻብ መንደቕ ኬእዊ፡ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሱሉ እዩ እሞ፡ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፡ ካብ ኢድ መዓት ከአ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፡ ንነፍስኻውን ሓጣእካ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቑ ባሕሪ ዜጎልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸአ ብአበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከአ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኮነን። ከምቲ ማያት ንመዓሙቑ ባሕሪ ዜጎልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸአ ብአበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከአ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኮነን። ከምቲ ማያት ንመዓሙቑ ባሕሪ ዜጎልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸአ ብአበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከአ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኮነን። ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብአተን ዚነብሩ ኹላቶምን እተገብረ ዓመጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝመጸካያን ኬጎልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትየን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወየለኡ። ንስኻ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ኽትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ኪኾነካ እዩ። ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብአተን ዚነብሩ ኹላቶምን እተገብረ ዓመጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝመጸካያን ኬጎልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትየን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወየለኡ። ንስኻ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ኽትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ኪኾነካ እዩ። ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብአተን ዚነብሩ ኹላቶምን እተገብረ ዓመጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝመጸካያን ኬጎልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትየን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወየለኡ። ንስኻ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ኽትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ኪኾነካ እዩ። እቲ ቖራጺኡ ዚቖርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፡ እቲ ዓያዩ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዩኡ ዚእመንከ እቲ ፍሉስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም፡ እቲ ንዕጨይቲ፡ ንቓሕ፡ ንዓባስ እምኒ ኸአ፡ ተንስእ፡ ዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብሩርን ልቡጥ እዩ፡ ኣብ ውሽጡ ኸአ ገለ እስትንፋስ የብሉን። ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፡ ኩላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል። ጸሎት ነብዩ እንባቆም ብሺግዮኖት። ዎ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፡ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፡ ብቑጥዓ ኸአ ምሕረት ዘክር። እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፡ እቲ ቅዱስ ከአ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፡ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት። ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፡ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፡ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ። ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፡ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ። ደው በለ፡ ንምድሪውን ለክዓ፡ ጠመተ፡ ነህዛብ ከአ ኣንቀጥቀጦም፡ እቶም ዘለአለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፡ እቶም ጥንታውያን ኩርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፡ መገድታቱ ኻብ ዘለአለም እዩ። ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለው ርኤኽዎ፡ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ። እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቖጢዕም እዩ፡ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፡ ኹራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቁጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ኾይኑ እዩ፡ ከምቲ ብቓልካ ዝመአልካዮ፡ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። እቶም ኣኽራን ረአዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፡ ሞገድ ማያት ሐለፈ፡ መዓሙቑ ድምጹ ኣስምዔ፡ ኣእዳው ኸአ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ። ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቁማ፡ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኩናትካን ከዱ። ንምድሪ ብኹራ ሐለፍካያ፡ ነህዛብ ብቑጥዓ ኣኼድካዮም። ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፡ ርእሲ ቤት ረእሲ ጨፍለቕካ። ሴላ። ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኩናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኺብትኑኒ መጹ፡ ሓጎሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ። ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፡ ነቲ ኹምራ ዓበየቲ ማያት ረገጽካዮ። ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከአ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቁንቁነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ ። ኦም በለስ ኣይክትዕብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርቡ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣብጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍእ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰእና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለየ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በኽሪ ቦታይውን ክመላለሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ። እቲ ብዘመን ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፡ ወዲ ግዳልያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ህዝቅያስ፡ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ። ኣነ ንብዘሎ ኹሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፡ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፡ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም ኣየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ኹላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፡ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፡ ንስም ካህናት ጣኦታት፡ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን፡ ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፡ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፡ ነቶም ዕዱማቱ ከአ ቀዲስዎም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ መዓልቲ መስዋእቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ፡ ነቶም ንቤት ጎይትኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ኹላቶም ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታት ኻብ ደገ ዓሳ፡ ኣውያት ከአ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፡ ካብ ኩርባታት ድማ ዓብዩ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፡ እቶም ብሩር እተሰከሙ ኹላቶም ጸኒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፡ ብኸዩ። በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ንዮርሳሌም ብመብራህቲ ኽጉራጉራ እየ፡ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፡ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእውን ኣይገብር፡ ዚብሉን ሰባት ክቐጾዖም እየ። ገንዘቦም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ፡ ግናኸ ኣይክነብርዎን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም። እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ኸአ ትቕልጥፍ አላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቑጥዓ፡ መዓልቲ ጸበባን መከራን፡ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፡ መዓልቲ ጸልማትን እያ። ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ። እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፡ ከጽብበሎም እየ፡ ከም ዕውራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሐመድ ኪክዖ እዩ፡ ስጋኦም ከአ ከም ጎሓፍ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፡ ግናኸ ኩላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ። ኣቱም ዘይትሐፍሩ ህዝቢ፡ ኣብ ትእዛዝ ከየውለደ፡ እታ መዓልቲ ኸአ ከም ብቑቡቑ ከይሐለፈት፡ እቲ ርእሱ ቁጥዓ እግዚኣብሄር አይወረደኩም፡ እታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም፡ ተአከቡ፡ ተአከቡ። ኣቱም ዘይትሐፍሩ ህዝቢ፡ ኣብ ትእዛዝ ከየውለደ፡ እታ መዓልቲ ኸአ ከም ብቑቡቑ ከይሐለፈት፡ እቲ ርእሱ ቁጥዓ እግዚኣብሄር አይወረደኩም፡ እታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም፡ ተአከቡ፡ ተአከቡ። ኣቱም ፍርዱ ኣትገብሩ ትሑታት ምድሪ ኹላትኩም፡ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሓባእኩምሲ ጽድቂ ድለዩ፡ ትሕትና ድለዩ። እምበአርሲ ጋዛ ኽትሕደግ፡ ኣስቃሎን ክትባድም፡ ኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጎጉ፡ ዔቅሮን ድማ ክትምንቆስ እያ። ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ሰብ፡ ህዝቢ ክረታውያን፡ ወይለኦም። ኣቲ ከነኣን ሃገር ፍልስጥኤማውያን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣንጻርኪ እዩ፡ ሓደ እኳ ኸይነብረክስ ከጥፍኣኪ እየ። እቲ ገምገም ባሕሪ ድማ መጓሰይን ኣግነት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ። እቲ ገምገም ከአ ነቲ ተረፍ ቤት ይሁዳ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኡ ኺጓስዩ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪበጽሖም፡ ካብ ምርኮ ድማ ኬመልሶም እዩ እሞ፡ ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ኪድቅሱ እዮም። ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸረፍዎን ኣብ ልዕሊ ደቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ። ስለዚ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ ሞኣብ ከም ሶዶም፡ ደቂ ዓምን ከአ ከም ጎሞራ፡ ግዝኣት ቁጥቋጥን ጉድጓድ ጨውን ናይ ዘለአለም ምድረ በዳን፡ ኪኾኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ኪዘምቶም፡ ሓድጊ ህዝበይውን ኪርስተዮም እዩ። ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምን ተዐብዮምን እዮም እሞ፡ እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ኪወርዶም እዩ። እግዚኣብሄር ንኹሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ፡ ኣባታቶም መሰክሒ ኪኸውን እዩ። ኩሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ፡ ነፍሲ ወከድ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ እዮም። ንስኻትኩም ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ብሰይፈይ ክትቅተሉ ኢኹም። ኢዱ ኸአ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ እዩ እሞ፡ ንኣሶር ኬጥፍኦ፡ ንነነዌ ድማ ኬባድማን፡ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ኪገብራን እዩ። ኣብ ማእከላ መጓሴታት፡ ኩለን እንስሳ ኣህዛብ፡ ኪሰፍራ እየን፡ ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጉልላታ ኺሕድሩ እዮም፡ ኣብ መስኮት ድምጺ ይዝምር፡ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኦም ሊባኖስ ኪቕላዕ እዩ እሞ፡ እቲ ልዳውቲ ኺባድም እዩ። እታ ሀዲኣ እትነብርን ብልባ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ ብጀካይ ሓደ እኳ የልቦን፡ እትብልን ሕጉስቲ ኸተማ እዚኣ እያ። ከመይ ኢላ ባደመት ማሕደር ኣራዊትውን ኮነት። ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ይፋጽን ኢዱ ይንዝንዝን። እታ ዓላዊትን ርኽስትን፡ እታ ገፋዒት ከተማ፡ ወይለኣ። ድምጺ ኣይትሰምዕን፡ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፡ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን። መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምት ኣናብስ እዮም፡ ፈራዶኣ ንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም። ነብያት መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፡ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፡ ንሕጊ ዐመጽዎ። እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፡ ንሱ ኣይእብስን፡ ንግሆ ንግሆ ኸየብኮረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፡ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን። ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፡ ግምብታቶም ዐነወ፡ ንመገድታቶም፡ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፡ ኣባደምክወን፡ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፡ ዚነብረን እኳ ዜብለን ኮይነን ጠፍአ። ኣነ ኸአ፡ እየ፡ እንተ ትፈርህንስ፡ መቕጻዕቲ ከአ እንተ ትቕበልስ፡ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ኹሉ ኣይምጠፍኤን፡ ንሳቶም ግና ንጎ ተንሲኦም ኩሉ ግብሮም ኣበላሸው። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ኩላ ምድሪ ብሓዊ ቅንኣተይክትውሓጥሲ፡ ኩራይን ርሱን ቁጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፡ ነህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስታት ከአ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ። ስለዚ ኹላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሓቢሮም ከአ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ። ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፡ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም። ሽዑ ኣነ ነቶም ብኹርዓትካ ባህ ዝበሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኮርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ኹሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ። ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኒ እዮም። ኪጓስዮን ኪድቅሱን እዮም፡ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፡ እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስውን እዮም፡ ኣብ ኣፎም ከአ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ። አቲ ጓል ጽዮን፡ ዘምሪ፡ ኣታ እስራኤል፡ እልል በል፡ አቲ ጓል ዮርሳሌም፡ ብኹሉ ልብኺ ተሐጎሲ ባህ ከአ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፡ ንጸላኢኺ ሰጎጎ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፡ ድሕርዚ ኸአ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም። ነቶም ብዛዕባ በዓላት ዚጉህዩ ኽእክቦም እየ፡ ናትኪ እዮም፡ ጾሮም ጸርፊ ነበረ። እንሆ፡ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቁኑኺ ኸሎም ክጻረሮም እየ፡ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፡ ነታ እተሰጎት ከኣ ክእክባ፡ ኣብቲ ዝነወርዎ ኹሉ ሃገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ። ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም። ኣብ ኩላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኽአትወኩም፡ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣአ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ብኢድ ነብህዩ ሃጌ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ሊቀ ኻህናትን መጸ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ፡ እቲ ጊዜ፡ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ፡ ኣይበጽሔን፡ ይብል አሎ። ግናኸ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ይብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ። ግናኸ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ይብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፡ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፡ ተኸደንኩም ኣይሞቑኩምን፡ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ፡ ይብል አሎ። ናብ ኣኽራን ደይቡ፡ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፡ ነታ ቤት ከአ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ኽሕጎስን ክኸብርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፡ እንሆ ኸአ፡ ሒደት እዩ፡ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምምዎ ኸአ፡ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጎየኹምሲ፡ ቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ። ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፡ ምድሪ ኸአ ፍሬኣ ኸልኤት። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምስርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቁሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ። ሽዑ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ኹላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾንምን ንቓል ነብዩ ሃጌን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፡ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ። ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እጋብሄር ንህዝቢ፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተዛረቦም። እግዚኣብሄር ከአ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትናን ንመንፈስ ኩሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከአ ይሰርሑ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከአ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትናን ንመንፈስ ኩሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከአ ይሰርሑ ነበሩ። ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዩ ሃጌ መጸ፡ እምበኣርስኸ ንዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንእያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡ ነዛ ቤት እዚኣ በቲ ቐዳማይ ክብረታ ዝረኣያ ኻባኻትኩም ተሪፉ ዘሎ መን እዩ፡ ሕጂኸ ኸመይ ኮይና ትርእይዋ አሎኹም፡ ኣብ ኣዒንትኹምሲ ኸም ዘየላዶ ኣይኮነትን፡ ሕጂ ኸአ፡ ዎ ዙሩባቤል፡ ጽናዕ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናት ድማ ጽናዕ፡ ኩልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ምሳኻኩም እየ እሞ፡ ዕየዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ከምት ኻብ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ቓል ኪዳነይ፡ መንፈሰይ ኣብ ማእከልኩም ይነብር አሎ፡ ኣይትፍርሁ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ገና ሐደ ጊዜ፡ ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ። ንኹላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም ኣየ፡ ናይ ኩላኦም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ካብቲ ቐዳማይሲ ኢ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ካብቲ ቐዳማይሲ ኢ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ብኻልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ ብኢድ ነብዩ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፡ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቖጸረ፡ በዛ ዘፈሩ ኸአ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝኾነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፡ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን፡ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፡ ኣይፋለንን፡ ኢሎም መለሱሉ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፡ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቖጸረ፡ በዛ ዘፈሩ ኸአ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝኾነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፡ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን፡ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፡ ኣይፋለንን፡ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ሃጌ፡ ብሬሳ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚአተን ገለ እንተ ተንከየስ፡ ትረክስዶ እያ፡ በሎም። እቶም ካህናት ከአ፡ እወ ትረክስ እያ፡ ኢሎም መለሱሉ። ሃጌ ኸአ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እዚ ዓሌት እዚ ኸምኡ እዩ፡ ኣብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኩሉ ዕዮ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ። ሕጂ ኸአ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ ኾታ ኻብዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝኾነ ሕሰቡ። ብኹሉ እቲ ዘመን እቲ ናብ ዕስራ መስፈር ዘለዎ ምህርቲ እንተ መጸ፡ ዓሰርተ ጥራይ ኮነ፡ ሓምሳ መስፈር ኪቕድሕ፡ ናብ መጽመቑ እንተ መጸ፡ ዕስራ ጥራይ ኮነ። ንኹሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጉን ብዋግን ብበረድን ወቓዕክዎ፡ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሕሰቡ ኾታ፡ ካብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻዕ ቀደም ዝኾነ፡ ካብታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ መቕደስ እግዚኣብሄር እተሰረተትላ መዓልቲ፡ ሕሰቡ። እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ አሎ እዩ፡ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውልዕን ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርኽ እየ። ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፡ ንዙሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፡ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፡ ዝፋን መንግስትታት ክገላብጥ፡ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ፡ ሰረገላታትን ኣብኤን ዜቕመጡን ከገላብጥ እየ፡ ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከአ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓው ኺወድቕ እዩ ኢልካ ንገሮ። ንዙሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፡ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፡ ዝፋን መንግስትታት ክገላብጥ፡ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ፡ ሰረገላታትን ኣብኤን ዜቕመጡን ከገላብጥ እየ፡ ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከአ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓው ኺወድቕ እዩ ኢልካ ንገሮ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ዎ፡ ዙሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ባርያይ፡ ኣነ ኽወስደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ሐርየካ እየ እሞ፡ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ብኻልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ በታ ሳምነይቲ ወርሒ ናብ ነብዩ ዘካርያስ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ዒዶ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም ኣዝዩ ኾረየ። ኣምበኣርሲ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣነ ኸአ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢልካ ንገሮም። ኣምበኣርሲ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣነ ኸአ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢልካ ንገሮም። ከም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ፡ ንኣታቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ ይብል አሎ ኢሎም ነገርዎም፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ናባይ ከአ ጽን ኣይበሉን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቦታትኩም ኣበይ አለው፡ ነብያትከ ንዘለአለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም፡ ግናኸ ንባሮተይ ነብያት ዝአዘዝክዎም ቃላተይን ሕጋጋተይን ነቦታትኩምዶ ኣየርከቦምን እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ተመለሱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብመጠን መገድናን ግብርናን ኪገብረና ኢሉ ዝሐሰቦ፡ ከምኡ ገበርና፡ በሉ። ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ በታ ሽባጥ እትበሀል መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዩ ዘካርያስ፡ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ፡ መጸ፡ ብለይቲ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሔ ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ትሕት ዝበለ ቦታ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ጠጠው በለ፡ ድሕሪኡውን ሓመራትን ጥርኝን ኣምበላያትን ኣፍራስ ነበሩ። ሽዑ፡ ኣነ ፡ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም በልኩ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ በለኒ። እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከአ፡ እዚኣቶምሲ እቶም እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዞርዋ ዝሰደዶም እዮም፡ ኢሉ መለሰ። ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጸ ደው ዝበለ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንሕና ንምድሪ ዞርናያ፡ እንሆ ኸአ ኩላ ምድሪ ስቕ ኢላ ዐሪፋ አላ፡ ኢሎም መለሱ። ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነዘን በተን ሰብዓ ዓመት እተቖጣዕካየን ዮርሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን፡ ኢሉ መለሰ። እግዚኣብሄር ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕ ቃላትን ብዜጸንናዕ ቃላትን መለሰሉ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፡ ኣነ ንዮርሳሌምን ብጽዮንን ዓብዩ ቕንኣት ቀኒኤ አሎኹ፡ ቅሩብውን ኮርየ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ ነቶም ሀዲኦም ዘለው ኣህዛብ ኣዝየ ኾርየሎም አሎኹ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካ ኣውጅ በለኒ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፡ ኣነ ንዮርሳሌምን ብጽዮንን ዓብዩ ቕንኣት ቀኒኤ አሎኹ፡ ቅሩብውን ኮርየ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ ነቶም ሀዲኦም ዘለው ኣህዛብ ኣዝየ ኾርየሎም አሎኹ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካ ኣውጅ በለኒ። ስለዚ ኸአ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ብምሕረት ናብ ዮርሳሌም እምለስ አሎኹ ይብል አሎ፡ ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ዮርሳሌም ኪዝርጋሕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ከተማታተይ ገና ብሰናይ ኪረውያ እየን፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንጽዮን ገና ኼጸናንዓ እዩ፡ ንዮርሳሌም ድማ ገና ኺሐርያ እዩ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካውን አውጅ። ዓይነይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ከአ፡ ኣርባዕተ ቐርኒ ርኤኹ። ኣነ ድማ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፡ በልክዎ። ንሱውን እዚኣቶም እቶም ንይሁዳን እስራኤልን ዮርሳሌምን ፋሕ ዘበልዎም ኣቕርንቲ እዮም፡ ኢሉ መለሰለይ። እግዚኣብሄር ከአ ኣርባዕተ ሰራሒ ሓጺን ኣርኣየኒ። ሽዑ ኣነ፡ እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ መጹ፡ በልኩ። ንሱ ኸአ፡ እቲኣቶም፡ ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፡ ንይሁዳ ፋሕ ዘበሉ ኣቕርንቲ እዮም፡ እዚኣቶም ግና ኬፍርህዎም፡ ነቕርንቲ እቶም ንሃገር ይሁዳ ፋሕ ኬብሉ ኢሎም ቀርኖም ዘልዐሉ ኣህዛብ ከአ ኬውድቕ ዝመጹ እዮም፡ ኢሉ በለኒ። ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ። ኣነ ኸአ፡ ናበይ ኢኻ እይኸይድ ዘሎኻ፡ በልኩ። ንሱውን፡ ንዮርሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝኾነ ኽርእስ፡ ክልክዓ እየ በለኒ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፡ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ። ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ። እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ተንስኡ፡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን ኣትነብሪ ጽዮን፡ ኣምልጢ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፡ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዝመቱኹም ኣህዛብ ለአኸኒ። እንሆ፡ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፡ ንሳቶም ከአ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪኾንዎም እዮም፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ኣቲ ጓል ጸዮን፡ እንሆ፡ እመጽእ አሎኹ፡ ኣብ ማእክልኪ ኸአ ክነብር እየ እሞ፡ እልል በሊ ተሐጎሲውን፡ ይብል እግዚኣብሄር። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፡ ህዝበይ ከአ ኪኾኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፡ ንስኺወን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝላኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስትያ፡ ንዮርሳሌም ከአ ገና ኺሐርያ እዩ። እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል። ንእያሱ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፡ ሰይጣን ከአ ኪጻረሮ ኣብ የማኑ ቐይሙ፡ ነበረ። እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ኣታ ሰይጣን፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እቲ ዮርሳሌም ዝሐረያ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድዶ ኣይኮነን በሎ። እያሱ ኸአ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ መልኣኽ ከአ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ዝነበሩ፡ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንእኡ ኸአ ርኤ፡ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፡ ብሉጽ ክዳውንቲውን ከደንኩኻ፡ በሎ። ኣነ ኸአ፡ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ተምጥሙሉ በልኩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጠምሉ፡ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኡ ቖይሙ ነበረ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መስከረሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገደይ እንተ ተመላለስካ፡ ነቲ ዝኣዘዝኩኻውን እንተ ሐሎኻስ፡ ንቤተይ ክትፈርዳ፡ ንኣጸደይ ከአ ክትሕልዋ ኢኻ፡ ምስ እዞም ኣብዚ ቖይሞም ዘለዎ ቦታ ኽህበካ እየ። እምበኣርሲ፡ ኣታ እያሱ ሊቀ ኻህናት፡ ንስኻን እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለው ብጾትካን፡ ንሳቶም ንትእምርቲ ዚኾኑ ሰባት እዮም እሞ፡ ስማዕ፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ባርያይ፡ እቲ ጨንፈር፡ ከምጽኦ እየ። ስለዚ እታ ኣብ ቅድሚ እያሲ ዘንበርክዋ እምኒ እንሃ፡ ኣብ ሓንቲ እምንስ ሾብዓተ ዓይኒ አለዋ፡ እንሆ ኸአ፡ ቅርጻ ኽቐርጾ እየ፡ ንኣበሳ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቒ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ንሓድሕዶም ክትተዓዳደሙ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከአ ተመሊሱ፡ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚባራበር፡ ኣበራበረኒ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፡ ድማ በለኒ። ኣነ ኸአ በልኩ፡ እንሆ፡ ሐደ ቐዋሚ ቐንዴል ኩሉንትናኡ ወርቂ፡ ኣብ ርእሱ ኸአ እንዳ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱን ዘለዎ እርኢ አሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከአ ሾብዓተ ሻምብቆ አለወን። ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ አለዋ፡ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፡ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን። ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፡ ጐይታየ፡ እዚኣተንሲ እንታይ እየን፡ ኢለ መለስኩሉ። እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ በልኩ። ሽዑ ንሱ መለሰ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዩ ኸረን፡ መን ኢኻ፡ ኣብ ቅድሚ ዙሩባቤል ጎልግሎ ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ ንእኡ፡ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኸውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ። ሽዑ ንሱ መለሰ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዩ ኸረን፡ መን ኢኻ፡ ኣብ ቅድሚ ዙሩባቤል ጎልግሎ ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ ንእኡ፡ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኸውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከአ መጸኒ፡ ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኣ፡ ኣእዳው ኸአ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ። ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ፡ እዘን ሾብዓተ ንኹላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዙሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጎሰን ኪርእያኣ እየን። ኣነ ኸአ፡ እዘን ብየማን ጸጋም እዚ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን፡ ኢለ መለስኩሉ። ካልኣይ ጊዜውን፡ እዞም ኣብ ጥቓ እት ወርቅ ዚውሕዞ መውሓዝ ውርቂ ዘለው ኽልተ አንፈር ኣውሊካ ንታይ እዮም፡ ኢለ መልስኩል። ንሱ ኸአ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኽኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ኢል መልሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታየ፡ ኣይፍለይ፡ ብልኩ። ሽዑ ንስ፡ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቕ እቲ ጐይታ ኡላ ምድሪ ዚቖሙ ደቅ ዘይቲ እዮም፡ በለ። ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸአ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርእ አሎኹ ምንዋሓ ዕስራ መት፡ ወርዳ ድማ ዓሰርተ እመት ዩ፡ ኢል መለስክ። ንሱ ኽአ በለኒ ዚሰርቕ ዘበለ ኽሉ ብመጠን ቲ ኣብት ኣደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምስስ፡ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ ኹሉ ኸኣ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሐደ ገጽ ተጻሒፉ ዘል ኺድምሰስ እዩ እሞ እዚ እቲ ኣብ ዝባን ኩላ ምድሪ ዚወጽእ ምርገም እዩ። ንሱ ኽአ በለኒ ዚሰርቕ ዘበለ ኽሉ ብመጠን ቲ ኣብት ኣደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምስስ፡ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ ኹሉ ኸኣ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሐደ ገጽ ተጻሒፉ ዘል ኺድምሰስ እዩ እሞ እዚ እቲ ኣብ ዝባን ኩላ ምድሪ ዚወጽእ ምርገም እዩ። ኣነ ኽወጽኦ እየ፡ ንስ ድማ ናብ ቤት እቲ ስራቕን ንና ቢት እቲ ብስመይ ሐስይ ዝምሕልን ኪአቱ እዩ፡ ኣብ ማእከል ቤቱ ኺነብር፡ ምስናይ ዕጨይታን እምናን ከጥፍኣ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከአ ወጸ፡ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ እዚ ዚወጽእ ዘሎ እንታይ ከም ዝኾነ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ኸአ፡ እዚ እንታይ እዩ፡ በልኩ። ንሱ ድም፡ እቲ ዚወጽእ ኤፋ እዩ፡ ብለ። እንሆ ድማ፡ ሓደ ምክሊት ዓርር ኣልዐሉ፡ ኣብ ማእከል እት ኢፋውን ሓንቲ ሰብይቲ ተቕሚጣ ነበረት። ንስ ኽአ እዚኣ ረሲእነት እያ፡ በለ፡ ናብ ማእከል እቲ ኢፋ ድማ ድርበያ፡ ነት መክሊት ዓርርውን ኣልዐልኩ ርኤኹውን፡ እንሆ ድማ ክልተ ኣንስት ወጻ፡ ኣብ ኣናፈን ከእ ንፋስ ነበረ፡ ከም ኣኽናፍ ከአ ነበረን፡ ንስተን ነት ኤፋ ኣብ መንግ ምድርን ሰማይን ኣልዐላኦ። ነት ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ ነዚ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኦ ዘለዋ፡ በልክው። ነት ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ ነዚ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኦ ዘለዋ፡ በልክው። ንሱ ኸአ፡ ቤት ክሰርሓሉስ ናብ ሃገር ሲንኣር እየን ምስ ተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኺነብር እዩ በለኒ። ከም ብሓድሽ ከአ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንህ ድም፡ ኣርባዕተ ሰረግላ ኣብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪወጽ ኸለዋ ርኤኹ፡ እትኣ ኣኽራንውን ኣኽራን ኣስራዚ ነበረ። ኣብታ ቕዳመይቲ ሰረገላ አምራት ኣፍራስ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ኸአ መጋላት ኣፍርስ ነብሩ። ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍርስ፡ ኣብታ ራብዐይት ሰረገላ ድማ ጫጎታት ብርቱዓት ኣፍርስ ነበሩ። ኣነ ኸአ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበር መልኣኽ፡ ጐይታየ፡ እዚእቶምሲ እንታይ እዮም፡ ኢለ መለስኩሉ። እቲ መልኣኽ ከአ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፡ እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ግይታ ኹላ ምድር ቖይሞም ዚውጹ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም፡ ታ መጋልት ኣፍራስ ዘለውዋ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢላ ትወጽእ፡ እቶም ኣምበሌታት ኣፍራስ ከአ ደድሕሪኦም ይውጹ፡ እቶም ጫጎታት ኣፍራስ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢሎም ይወጽ። እቶም ሓመራት ከአ ወጽ፡ ንምድር ኺመላለስዋ ድማ ደለዩ። ንሱውን፡ ኪዱ ንምድር ተመላለስዋ፡ በለ። ንሳቶም ከአ ንምድሪ ተመላለስዋ። ሽዑ ንሱ ጸወዓኒ እሞ፡ እንህ፡ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢልሎ ዝወጹ፡ ኣብ ሃገር ሰሜን ምመፈስሰ ኣህድኡ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ከምዝ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከአ መጸ፡ ካብቶም ምሩኻት ካብ ሔልዳይ፡ ክካ ጦብያ፡ ካብ ያዳዕያ ውሰድ፡ ንናታ ንሳቶም ካብ ባቢሎን ምጺኦም ዝአተውዋ ቤት ዮስይስ ወዲ ጽፎንያስ ሎሚ እቶ፡ ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ኣኽሊላት ስራሕ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት እያሱ ወድ የህጻዳቅ ድም ድፍኣል። ግዚኣብህር ጐይታ ሰርዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካውን ተዛረቦ፡ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ ንሱ ኻብ ቦታእ ኺጭንፍር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ክሀንጽ እይ። ንሱ ምቕደስ እግዝኣብሄር ኪሀንጽ፡ ክብሪ ኸአ ክጸውር፡ ኣብ ዝፋን ድማ ክቕመጥን ክገዝእን እዩ፡ ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን ዩ። እቲ ኣኽሊላት ከአ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕይያ ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪኾኖም እዩ። እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኺመጽ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከአ ክሰርሑ እዮም ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለአኽኒ ኽትፍፈጡ ኢኹም። ንቲ ድህይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጥንቂቕክም እንተ ሰማኩም፡ እዚ ኪኸውን እዩ። ኽነ ኸአ፡ ብራብዓይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሀል ታስዐይቲ ወርሒ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ ምጸ። ቤትኤል ከአ ንሻሬጽርን ንሬገምሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምህልለን፡ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውትን ንነብያትን ክኣ፡ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓምታት ዝገበርክዎዶ፡ በታ ሓምሰይቲ ወር ተፈልየ ኸበክ የ፡ ኢልም ኪነግርዎምን ለአኽዎም። ቤትኤል ከአ ንሻሬጽርን ንሬገምሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምህልለን፡ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውትን ንነብያትን ክኣ፡ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓምታት ዝገበርክዎዶ፡ በታ ሓምሰይቲ ወር ተፈልየ ኸበክ የ፡ ኢልም ኪነግርዎምን ለአኽዎም። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውት ከአ መጸኒ፡ ንኹል ህዝቢ እታ ሃግርን ንኻህናትን ከምዚ ኢልክ ተዛረቦም፡ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጸሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፡ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ ምስ እትበልዑን እትሰትዩን፡ ዮርሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ሰብ ሰፊርወንን ሀዲኤንን ከለዋ ደቡብን ጎልጎልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፡ እግዚኣብሄር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝአወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኮነን፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከአ ንዘካርያስ መጾ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ሓቀኛ ፍርዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓው እከይ ኣይሕሰበሉ። ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፡ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፡ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ። ነቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝሰደዶ ሕግን ቃላትን ከይሰምዑስ፡ ልቦም ከም ኣልማዝ ገበሩ፡ ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዓብዩ ቑጥዓ ኾነ። ክነ ድማ፡ ከምቲ ንሱ ዝጸውዔ፡ ንሳቶም ከኣ ዘይሰምዑ፡ ከምኡውን ንሳቶም ጸውዑ፡ ኣነ ኸአ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ዘበሉ ኹሎም ኣህዛብ በተንክዎም እታ ሃገር ከአ ሓደ እኳ ዘይሓልፉን ዘይምለሳን ኮይና ብድሕሪኦም ባደመት፡ ነታ ሃገር ደስታውን ኣባደምዋ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ መጸ፡ ኣነ ብጽዮን ዓብዩ ቕንኢ ቐኒኤ አሎኹ፡ ብዓብዩ ቑጥዓውን ቀኒኤላ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣነ ናብ ጽዮን ክምለስ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ከአ ክነብር እየ። ዮርሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፡ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ ቅዱስ ከረን ኪስመ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፡ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሔ ኸአ፡ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኽሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያት ዚስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፡ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሔ ኸአ፡ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኽሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያት ዚስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ኦይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ በተን መዓልቲት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ኾነስ፡ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም ኣየ እሞ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ኪነብሩ እዮም፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪኾኑ እዮም ኣነ ኸአ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም ኣየ እሞ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ኪነብሩ እዮም፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪኾኑ እዮም ኣነ ኸአ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣቱም በዘን መዓልትታት እዚአተን እቶም ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኽትህነችሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዝነበሩ ነብያት እተዛረብዎ፡ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እተሰምዑ ዘሎኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር ሰራዊት። ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንኹሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፡ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዝወጽእን ዚአቱን ሰላም ኣይነበረን። ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸአ ብቑላ ኽትህብ፡ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ኹሉ ኸረስትዮም እየ እምበር፡ ሕጂስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነብርክዎ ኣይክኾኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸአ ብቑላ ኽትህብ፡ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ኹሉ ኸረስትዮም እየ እምበር፡ ሕጂስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነብርክዎ ኣይክኾኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤል፡ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝኾንኩም፡ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፡ በረኸትውን ክትኮኑ ኢኹም፡ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ። እግዚኣሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቐምጥዑኒ ኽፉእ ክገብሩኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዓስኩሉ፡ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንዮርሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ አሎኹ፡ ኣይትፍርሁ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቐምጥዑኒ ኽፉእ ክገብሩኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዓስኩሉ፡ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንዮርሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ አሎኹ፡ ኣይትፍርሁ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ፡ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ። ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓው እኩይ ኣይሕሰበሉ፡ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍተው፡ ነዚ ኹሉ እጸልኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ መጸኒ፡ እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጎስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪኾነሎም እዩ፡ እምበኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኺመጹ እዮም። ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለል፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ ክንደሊ ንኺድ፡ ኣነውን ክኸይድ እየ፡ ኪብሉ እዮም። ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ዮርሳሌም ኪደልይዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኩሉ ቓንቛታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፡ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ሰብን ናብ ኩሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፡ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፍ፡ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከአ ይዐርፍ። ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ሰብን ናብ ኩሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፡ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፍ፡ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከአ ይዐርፍ። ጢሮስ ዕርዳ ዐረደት፡ ብሩር ከም ሓመድ፡ ወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት። እንሆ፡ እግዚኣብሄር፡ ኪሕዛ ንስልጣና ኸአ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፡ ብሓዊ ድማ ሞኽ ክትብል እያ። ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ጋዛውን ክትስቀ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ጋዛውን ክትስቀ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ከአ ዚነብራ ኽትስእን እያ። ኣነ ኣሽዶድ ድቓላ ኺነብር እዩ፡ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ። ደሙ ኸኣአ ካብ ኣፉ፡ ጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽአሉ እየ፡ ንሱውን ንኣምላኽና ተርፍ ኪኽዕኖ፡ ኣብ ይሁዳ ኸአ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ፡ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ። ካብ ሰራዊት፡ ካብቲ ዚኸይድን ዚመጽእን፡ ክከላኸለላስ፡ ኣብ ዙርያ ቤተይ ከሰፍር እየ፡ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፡ ድሕርዚ ጨቃኒ ከቶ ኣይኪሐልፎምን እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጎሲ፡ ኣቲ ጓል ዮርሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ ንሱ፡ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ። ኣነ ኸአ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡ ፈረስ ድማ ካብ ዮርሳሌም ከጥፍእ እየ፡ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብቲ ርባ ኸአ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ። ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም እሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዜብሉ ጉድጓድ ከውጽኦም እየ። ኣቱም ብተስፋ እተአሰርኩም፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፡ ኣነ ኦጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፡ ሎሚውን እነግረኪ አሎኹ። ንርእሰይ ኢለ ንዩዳ ኸም ቐስቲ ገተርክዎ፡ ብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮን፡ ንደቅኺ፡ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፡ ዎ ዮናኒ፡ ከተንስኦም፡ ንኣኺ ድማ ከም ሰይፊ ጀግና ኽገብረኪ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ኪርኤ እዩ፡ ፍላጻኡ ኸአ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ኪነፍሕ፡ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ኪኸይድ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኬዕቆቦም እዩ፡ ንሳቶም ድማ ኪውሕጡ፡ እምኒ ወንጭፍ ከአ ኪረግጹ እዮም፡ ኪሰትዩ፡ ብወይኒ ኸም ዝሰኽሩ ጫውጫው ኪብሉ፡ ከም ዋንጫ፡ ከም ኩርናዕ መሰውኢ ኺመልኡ እዮም። ከምቲ ኣብ ምድሩ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ። ሰናይ ኸንደይ ዓብዩ፡ ጽባቐኡስ ክንደይ ዓብዩ እዩ። እኽሊ ነጉባዝ ኮልዒ ወይኒ ኸአ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ። ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፡ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከአ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ። እቶም ጣኦታት ቤት ክንቱ ይዛረቡ፡ እቶም ጠንቆልቲ ኸአ ሓሶት ይርእዩ፡ ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ፡ ብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፡ ጓሳ የብሎምን እሞ ተጨነቑ። ኩራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ነደደ፡ ኣነውን ነቶም ዲቤላታት ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንመጓሴኡ ቤት ይሁዳ ዚኪርዎ እዩ፡ ኣብ ውግእ ከም ፈረስ ክብሩ መትከል ካብኡ፡ ቀስቲ ውግእ ካብኡ፡ ኩሎም ጨቆንቲ ሐቢሮም ካብኡ ኺወጹ እዮም። ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪኾኑ፡ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፡ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸአ ኪሓንኩ እዮም። ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪኾኑ፡ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፡ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸአ ኪሓንኩ እዮም። ኣነ ኸአ ንቤት ይሁዳ ኽበርትዓ፡ ንቤት ዮሴፍ ድማ ከድሕና እየ። ራሕሪሔሎ እየ እሞ፡ ክመልሶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ፡ ክሰምዖም ከአ እየ እሞ፡ ከም ዘይወገድክዎምውን ኪኾኑ እዮም። ኤፍሬም ከም ጅግና ኪኾኑ እዮም፡ ልቦም ድማ ከም ብወይኒ ኺሕጎስ እዩ፡ ደቆም ከአ ኪርእይዎን ኪሕጎሱን እዮም፡ ልቦም ብእግዚኣብሄር እልል ኪብል እዩ። ኣነ ተበጅየዮም እየ እሞ፡ ክፉጽየሎምን ክእክቦምን እየ፡ በጺሖም ከም ዝነበሩ ኸአ ኪበዝሑ እዮም። ኣብ ህዝብታት ክዘርኦም እየ፡ ኣብ ርሑቕ ድማ ኪዝክሩኒ እዮም፡ ምስ ደቆምውን ብህይወት ኪነብሩን ኪምለሱን እዮም። ካብ ሃገር ግብጺ ኽመልሶም፡ ካብ ኣሶር ድማ ክእክቦም፡ ናብ ሃገር ጊልዓድን ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፡ ዚአኽሎም ቦታ ኸአ ኣይኪርከብን እዩ። ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍ፡ ንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፡ ኩሉ መዓሙቑ እቲ ርባ ኸአ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፡ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ። ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፡ ንሳቶምውን ብስሙ ኺመላለሱ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣታ ሊባኖስ ደጌታትካ፡ ፈት፡ ነእዋምካ ኸአ ሓዊ ይብልዓዮ። ኣታ ጽሕዲ፡ ኦም ሊባኖስ ወዲቑ፡ እቶም ክቡራት በሪሶም እዮም እሞ፡ ዋይዋይ በል። ኣቱም ኣውሒ ባሳን እቲ ብርቱዕ ዱር ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ። ክብረቶም በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ዋይዋይታ ጓሶት ይስማዕ፡ ትዕቢት ዮርዳኖስ በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ምጉዛም ሽደናት ኣናብስ ይስማዕ። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ይብል አሎ፡ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ ጓሰየን። እቶም ሸየጥተን ድማ ኣነስ ሃብቲመ እግዚኣብሄር ይመስገን ይብሉ፡ ጓሶተንውን ከቶ ኣይንሕፍወንን። እምበኣርሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ድሕርዚ ኣይክንሕፎምን እየ፡ ኤረ ኣነስ እንሆ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጻዩን ኣብ ኢድ ንጉስንይን ክውፍዮ እየ፡ ንሳቶም ከአ ነታ ሃገር ኪሰባብርዋ እዮም፡ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፡ እወ፡ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ጓሴኸወን። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፡ ነታ ሓንቲ ጸጋ፡ ነታ ሓንቲ ኸአ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፡ ነትን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን። ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎም፡ ነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ። ኣነ ኸአ ኣይክጓስዮምን እየ፡ እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ስጋ ሓድሕሰን ይበላልዓ፡ በልኩ። ነቲ ምስ ኩሎም ህዝብታት ዝአቶኽዎ ቓል ኪደነይ ከፍርስሲ። ነታ ጸጋ ዝስማ በትረይ ወዲሰ ሰበርክዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ፡ በዚውን እተን ናባይ ዜስተብህላ ዝነበራ ድኻትታ እታ መጓሰ ቓል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጣ። ኣነ ድማ፡ ነዒንትኹም ባህ እንተ አበለኩምሲ፡ ዋጋይ ሀቡኒ፡ እንተ ዘይኮነስ ሕደግዎ፡ በልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ። እግዚኣብሄር ከአ፡ ነቲ ዘምገሙለይ ክቡር ገምጋም ናብ ሰራሕ መሬት ደርበዮ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ናብቲ ሰራሕ መሬት ደርቤኽዎ። ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ከፍርስ፡ ነታ ስምረት ዝበልክዋ ኻልኣይቲ በትረይ ሰበርክዋ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነቲ ኣቓሓ ዓሻ ጓሳውን ንኣኻ ውሰዶ፡ በለኒ። ስለዚ እንሆ ስጋ ስቡሓት ዚበልዕ፡ ሸኾናኤን ከአ ዝምንጭት እምበር፡ ነተን ዝጠፍኣ ግዲ ዘይገብረለ፡ ፋሕ ንዝበላ ድማ ዘይደልየን፡ ንተሰብራ ኸአ ዘይፍውስ፡ ንጥዑያትን ዘይቕልብ ጓሳ ኣብታ ሃገር ከተንስእ እየ። እቲ ኣባጊዒ ዚፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይሉኡ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን፡ ቅልጽሙ ብጥራስ ኪነቅጽ፡ የማነይቲ ዓይኑ ኸአ ብዘላ ኽትጽልምይ እያ። ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያት ዝዝርግሖ፡ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝደኮኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ የሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዝለው ኹላቶም ህዝብታት ጽዋእ ሰኽራን ክገብራ እየ፡ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸለውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ የሩሳሌም ንኹላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፡ ዚስክምዋ ዘበሉ ኹላቶም ኣዝዮም ኪቐስሉ እዮም፡ ኩላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምድሪ ኽእከቡ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ንኹላቶም ኣፍራስ ብስምባድ፡ ንዚውጥሕዎም ከአ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ክብል እየ፡ ንኽላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከአ ብዑረት ክወቕዖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፡ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሐይለይ እዮም ክብሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእጀል እንዳእትን ክገብሮም እየ፡ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምዎም ዘለው ኹላቶም ህዝብታት ከአ ኪውሕጥዎም እዮም፡ ዮርሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፡ ኣብ ዮርሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ። ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ፡ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንዃናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻብታቶም ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዮርሳሌም ዚመጹ ኹሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ። ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ። ንሳቶም ከአ ንኣይ፡ ነቲ ዝወግእዎ ኽጥምቱ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽየሉ ኽበኽየልሉ፡ ከምቲ ንበኹሩ መሪር ሓዘን ዚሐዝነሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምቲ ኣብ ሃዳድሪምን ኣብ ጎልጎል መጊዶን ዝኾነ ብኽያት፡ ኣብ ዮርሳሌም ዓብዩ ብኽያት ኪኸውን እዩ። እታ ሃገር ከአ ክትበኪ እያ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፡ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፡ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን። ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፡ ኣንስቶም ከአ ንበይነን፡ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን። ኹሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም ኣንስቶምውን ንበይነን። ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን። ኩሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም ኣንስቶምውን ንበይነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ንስም ጣኦታት ካብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ነቶም ነብያትን ነቲ ርኹስ መንፈስን ከአ ካብታ ሃገር ከልቅቖም እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ሰብ ገና እንተ ተነበየ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ ሞ፡ ብህይወት ኣይትነብር፡ ኪብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ኪንበ ኽሎ ክወግእዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለው፡ ብርእዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ንምሕሳው ከአ ጨጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም። ግናኸ፡ ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፡ ሐረስታይ እየ እምበር፡ ነብዩ ኣይኮንኩን፡ ኪብል እዩ። ንእኡ ኸእ፡ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቑስሊ እንታይ እዩ፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ድማ፡ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዘፍቀርኒ እተወጋእክዎ እዩ፡ ክብል እዩ። ዎ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳይን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝኾነ ሰብን ተንስእ፡ ነቲ ጓሳ ውቕዓይ፡ እንተ ኣባጊዕ ክአ ፋሕ ክብላ እየን፡ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናኣሽቱ ኽመልስ እየ፡ ይብል ግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣብ ኩላ እታ ሃገር ድማ ኪኽውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ቶም ክልተ ኢድ ኣብኣ ኪቖረጹን ኩሞቱን እዮም፡ እቲ ሲሶ ግና ኣብኣ ኺተርፍ እዩ። ኣነ ኸአ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኽእትዎም፡ ብሩር ከም ዚኹላዕ ክኽልዖም፡ ወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ኪጽውዑ እዮም፡ ኣነውን ክሰምዖም እይየ ህዝበይ እዩ ክብል እየ። ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ ኪብል እዩ። እንሆ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ ዝመቴኺ ኸአ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ። ኣነ ኸአ ኩላቶም ኣህዛብ ንዮርሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፡ ኣንስታውን ኪንውራ እይየ። ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፡ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካባታ ኽተማ ብጥርስ ኣይኪጠፍእን እየ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታዋግኦ፡ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ዮርሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ክቐውም እይ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸአ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጠቕ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፡ ፍርቅ እቲ ኸርረ ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ። ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪብጽሕ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኽም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ አም ዝሀደምኩም፡ ክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፡ ኩላትም ቅዱሳን ከአ ምሳኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ብርሃንሲ ድና ኪኸውን እዩ እምበር፡ ነጸብራቑ ኣይኬብርህን እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር እንተፍለጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኽውን፡ መዕዓቲ ወይስ ለይቲ ኣይኮነን፡ ግናአ ኣጋ ምሸት ብርሃን ክኸውን እዩ። በታ መዕዓቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ህያው ማያት ካብ ዮርሳሌም፡ ፈረቓኡ ንና ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ፈረቓኡ ኸአ ናብ ምዕራብዊ ባሕር ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፡ ብሓጋይን ብኽረምትን ክህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ኺነግስ እዩ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፡ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ኩላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ ዮርሳሌም ናብ ጎልጎል ክትልወጥ እይ። ዮርሳሌም ከአ ልዕል ክትብ፡ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ብታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ክሳዕ ደገ ኹርናዕ፡ ካብ ግምቢ ሃናንኢኤ ድማ ክሳዕ መጽመቑ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፡ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፡ ዮርሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ። እዚ ኸአ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንይርሳሌም ዝወግእዋ ኽላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓልት እዩ፡ በእጋሮም ድው ኢሎም ከለው ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፡ ኣዒንቶም ኣብ ጓድጓደን ኪምሽምሻ እየን፡ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ዓብዩ ዕግርግር ኬተንስአሎም እዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ፡ ንአፍሲ ወከፎም ከአ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኼልዕል እዩ። ይሁዳ ድማ ንዮርሳሌም ክዋግኣ እዩ፡ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ኹሎም ኣህዛብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳንውትን፡ ኪድለብ እዩ። ከምኡውን እት ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለው ኹላቶም እንስሳ እትወቅዕን ምዓት ከምዛ መዓት እዚኣ ኽትከውን እያ። ኪከውን ድማ እይ፡ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ኹሎም ኣህዛብ ዝተርፉ ዘበሉ ኹላቶም ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ክሰግዱሉ፡ ናብ ዮርሳሌም ንተ ዘይደየቡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ። ዓሌት እንተ ዝዘደየቡን ዘይመጹን ከአ ናብኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዕል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ። እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጻት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕል ዘይድይቡ ኹላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፡ ቅዱስ ንእግዝኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እት ኣብ ቢቤ እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታት ከምቲ ኣብ ቅዱስ መሰውእ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ። ድስቲ ዘበለ ኹሉ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁድዳ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መሰዋእቲ ዚስውኡ ኹላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኼብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከናኣናዊ ከቲ ኣይኪህልን እዩ። ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ። ኣነ ኣፍቀርኩኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና፡ ትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ከምዝ ይብል ኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይክነን፡ ምስናይ እዝውን ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ። ንኤሳው ግና ጸላእክዎ ነራኑ ኣባደምክዎ፡ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረበዳ ህብክዎ። ኤዶም ድማ፡ ፍረስና፡ ግናአ ነቲ ዝፈረሰ ተመሊስና ኽንሰርሖ ኢና፡ እንተ በለ፡ እግዚኣብህር ጐይታ ሰራዊት ይብል፡ ንሳቶምሲ ኺሰርሑ እዮም፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ። ዶብ ረሲእነትን እግዚኣብሄር ንሓዋሩ እተቖጥዕ ህዝብን፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም። ኣዒንትኹም ድማ ኪርእያ እየን እሞ፡ እግዚኣብሄር ክንየው ዶብ እስራኤል ይዕበ፡ ክትብሉ ኢኹም። ንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ፡ እትብሉ ኻህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብለኩም አሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸአ ንጐይታኡ የብር። እምበኣርሲ ኣቦ እንተ ደአ ኾይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፡ ጐይታ እንተ ኾይነስ፡ ምፍርሄይ ኣበይ አሎ፡ ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕርብኩምሲ፡ ብምንታይ ኣርከስናካ፡ ትብሉ። መኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ። ንመስዋእቲ ኸአ ዕውር እንተ ኣቕረብኩም፡ ክፉእዶ ኣይኮነን፡ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ ክፉእዶኣ ይኮነን፡ እስኪ እዚ ምስለኒኻ ኣቕርበሉ፡ ይሕጎሰልካዶ እዩ፡ ወይስ ኣብኡዶ ሞጎስ ትረክብ ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እምበኣርሲ ሕጂ ኢድኩም እዩ፡ እሞኸ ገለ ኻባኻትኩምዶ ሞጎስ ክረክ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ፡ ደጌታት ዚዐጹ ኾታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዝህሉ። ኣነ ኣይሕጎሰልኩምን፡ ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብይ ስለዝኾነ፡ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ፡ ይብል እግዝዚብሄር ግይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ፡ ረባኡ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ፡ ብምብላክም ተርክስው አሎኹም። ንስኻትኩምውን፡ ኣየ ኽንደይ ድኻምን ትብሉ፡ ኡፍ ድማ ትብሉሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ፡ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ዓብዩ ንጉስ እየ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ መጓሰኡ ተባዕታይ ዘለዎ፡ ተምባጺዑ ኸአ ንእግዚኣብሄር ጎደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣቱም ካህናት፡ ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ። ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፡ ብልብኹም ንስምይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፡ መርገም ክሰደልኩም፡ ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፡ ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እንሆ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፡ ኣብ ገጽኩም ዒባ ነቲ ዒባ በዓላትኩም ክብትነልኩም እየ፡ ምስኡውን ኬውጽኡኹም እዮም። ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ኪኸውንሲ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ቃል ኪዳነይ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፡ እዚ ኽፈርህ ኢለ ሀብክዎ ንሱ ኸአ ፈርሃኒ፡ ኣብ ቅድሚ ስመይ ውን ኣንቀጥቀጠ። ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝኾነ፡ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልው፡ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዮም እሞ፡ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፡ ኣብ ከናፍሩ ኸአ በደል ኣይተረኽበን፡ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ። ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝኾነ፡ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልው፡ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዮም እሞ፡ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፡ ኣብ ከናፍሩ ኸአ በደል ኣይተረኽበን፡ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ። ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም፡ ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም፡ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ስለዚ ኣነውን ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሐሎኹም፡ ብሕጊ ኸአ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ንዑቓት ሕሱራትን ገብርኩኹም። ንኹላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኮነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝፈጠረና። ስለምንታይ ደአ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፡ ይሁዳ ነቲ ዘፍቀሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎ፡ ጓል ጓና ኣምላኽ ከአ ተመርዕዩ እዩ እሞ፡ ይሁዳ ጠለመ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ። እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ፡ ነቲ ዚነቅሕን ምላሽ ዚህብን፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዜቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኬጥፍኦም እዩ። ካልእ ድማ እዚ ገበርኩም፡ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንክምዎ እሞ፡ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቆን፡ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን። ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪድናካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝኾነ እዩ። ሓደዶ ኣይኮነን ነዚ ዝገበረ፡ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ስለምንታይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልው፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸአ ሓደ እኳ ኣይጥለም። ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልው፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድክምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፡ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፡ ብምባልኩም እዩ። እንሆ፡ ኣነ ልኡኽ እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኽጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸአ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቓል ኪዳን እንሆ፡ ይመጽእ አሎ፡ ይብል እግዚብሄር ጐይታ ሰራዊት። ግናኸ ንሱ ኸም ናይ ኮላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፡ ንሱ ኸአ ነቲ ብሩር ኪኾልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፡ ከም ወርቅን ብሩርን ከአ ኪኹልዖም እዩ፡ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ እዮም። ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን ዮርሳሌምን፡ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን፡ ከምቲ በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝኾነ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ። ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን ዮርሳሌምን፡ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን፡ ከምቲ በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝኾነ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ። ኣነ ንፍርዲ ክቕርበኩም እየ፡ ኣነ ኣንጻር ኣስማተኛትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ ብዓል ዓስቢ ዓስቡ ዚዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎም ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከአ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክኾኖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፡ ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን። ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐሎኹምዎን ከአ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ፡ በልኩም። ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐሎኹምዎን ከአ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ፡ በልኩም። ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይኹነሉ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፡ ከአ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፡ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፡ ብመርገም ተረገምኩም። ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ዕሽር ዘበለ ኹሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፡ ሽዑ መሳኹቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፡ ንሱ ኸአ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ፡ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኬቐልዕን ኣዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራኢውት። ምስሪ ሓጎስ ክትኮኑ ኢኹም እሞ፡ ኩሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እቶም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ቃላትኩም በርትዓኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና፡ ትብሉ አሎኹም። ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓትቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና በልኩም። እምበኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና፡ እወ፡ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፡ እወ፡ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸአ። ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸአ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪኾኑኒ እዮም። ኣነ ኸአ፡ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎም እየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሕድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም። እንሆ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኩሎም ዕቡያትን ረሲእ ነቲ ዚገብሩ ዘበሉ ኹላቶምን ብርዒ ኪኾኑ እዮም፡ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸአ ንእኦም ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት፡ ሞኽ ከተብሎም እያ። ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራኢውት። ናኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፡ ምድሓን ከአ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹ ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም። በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሐሙኽሽቲ ኪኾኑ እዮም እሞ፡ ንረሲእነት ክትረግጽዎም ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ነቲ ኣብ ሆሬብ ንኹሎም እስራኤል ኪኸውን ኢለ ንሙሴ ባርያይ ዝአዘዝክዎ ሕጊ ንስርዓትን ፍርድን፡ ዘክርዎ። እንሆ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት ነብዩ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ። ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዜጽንት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ። መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡ ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ። እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፡ ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፡ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ ዘሩባቤል ንኣብዪድ ወለደ፡ ኣብዪድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዪድ ወለደ፡ ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወልደ። እምብኣርሲ ዂሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሐሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ። የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኲላ የሩሳሌምውን ምስኡ። ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። ናብ ቤት ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ። ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ፡ በሎ። ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ። ሽዑ ሄሮድስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዂሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኲሉ ጐደቦታታ ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ። ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ። ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ። ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኺበሀል፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ። በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጒሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። ሽዑ የሩሳሌም ኲላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጸት። ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧ እምብኣርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጽወር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ስርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ። ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። የሱስ ከኣ፡ ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ፡ ብእኡ ዝሰመርዱ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ። ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣብርዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኲሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ። ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኲላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዂሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ፡ ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ናሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዂሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ወጸ። ንዂሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለውዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጒዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ። ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጒህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይመቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኸም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽምዎ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚማኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓው ዚቚጥዖ ዘበለ ዂሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓው፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣት ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዂሉ ብልቡ ፈጹሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዂሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓንቲ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ። ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግመኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግመኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትውኹምን እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምበኣርከ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ። ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርእዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኸርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማኦጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምበኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ ደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዂሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ። ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጒንዲ ኣብ ዓይንካ ኣሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቊኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዪ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። ዝለመነ ዂሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ዝለመነ ዂሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም። እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዂሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፧ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዂሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዂሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደርእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዂሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ። ኰነ ድማ፡ ይሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ። ኰነ ድማ፡ ይሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ። ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ንኣታቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ። ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቅዕን እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ። ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ። የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ። ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም። ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም። የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ። ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ ኣለወን፡ ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምውታትሲ ምውታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ። እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ክልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኲምም በለ። እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዂሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዎምን ከኣ ኣውረዩ። እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ። ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። እንሆ ኸኣ፡ መጸጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደየ፡ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ። የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ ኣየናይ ይቐልል፧ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ። የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጡ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውቲን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጸ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ፡ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረኣየ፡ እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ። እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት። ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ወሪኣ ወጸ። የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕውራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ። ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኲላ እታ ሃገር ኣውረዩ። ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ። ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ። የሱስ ኣብ ኲሉ ኸተማታትን ኣብ ኲሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም። ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም። ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም። ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ። ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ። ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንት ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቀቑ። ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቀቑ። ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኲሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስርኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤልዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎም። እምበርኣርኸ፡ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዩን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጒሪ ርእስኹም ኲለን እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዂሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተሰብ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወይ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ። ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡ እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንብስ ንገርዎ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ። ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚልብ ሻምብቆዶ፧ እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ። ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማይ ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ። ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ ምንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። ኲሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኸኹምን። ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ። ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት። ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነስሓ ኺነቕፈን ጀመረ፡ ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓመዂስቲ ተነጺፈን ምተነሰሓ ነይረን። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን ኣሎኹ። ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኸ። በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን። ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም። በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ። ፈረሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧ ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧ ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ። ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩም ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጒድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምብኣርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። ሽዑ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይታውን ኰነት። ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ። የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዂሎምውን ኣሕወዮም። ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም። ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕውር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜብል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። የሱስ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፈላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። ስለዚ ንሱ ኲሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ኦኣለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዂነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኲሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዂነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኲሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ሽዕሪ ሓያሎ ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም መለሱ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዂንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኲንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ። ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ። ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ እሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዂሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዂሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ፡ ነቐጸ። ገሊኡ ኣብ እሾዂ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧ በልዎ። መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፡ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዂሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። ንሽዑ ጥረኣይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። እቲ ኣብ እሾዂ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ምእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ። ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ። ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ኸኣ ካብ ኲሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨነፍራ ኽሳዕ ዚዐርፋ፡ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን። ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል። የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጒመልና፡ በልዎ። መሉሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጻላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዂሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጻሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ጽቡቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኲሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ነዚ ዂሉስ ኣሰተውዒልኩምዎዶ ኣሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዂሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም። ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን። በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ። ንገላውኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምውታት ተንሲኡ ኣሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በሎም። ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓው፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓው፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። ሄሮድስ እተወልዳል መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪህብዋ ኣዘዘ። ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ። የሱስ እዚ ሰምዔ፡ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ። የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ። ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት ኣትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ግለ የልቦን፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ። እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ገጹ ቚሊሕ በለ፡ ባሪኹ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሰብ ሀብዎም። ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተዉ ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም። ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚአ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ። ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንክሳ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ ኣዝዘኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሄ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጒዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ። ናብ ጃልባ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ። ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጹ። እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዂለን ዓድታት ለኣኹ፡ ኲሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሐወየ። ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ። ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፧ ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ዀን ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀሙሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡ ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚኣቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዂሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። ሕደግዎም፡ ዕውራትን መራሕቲ ዕውራትን እዮም። ንዕውርስ ዕውር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጒድጓድ ይወድቁ። ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጒመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈጡን ኢኹም፧ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት። የሱስ ካብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራጻት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕውራትውን ኪርእዩ ርኣዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዖዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓአ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ፡ ኣርባዐ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ። ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሔ ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትምእርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ። ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረሰዑ። የሱስ ድማ ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፋሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተአርነቡን፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልብኹም ትሐስቡ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም እቲ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም ፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ። የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ምስ መጸ ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ፡ ኺቕተል ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ። ኪገልጸሎም ጀመረ። ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ድኣ ጐይታይ ፡እዝስ ኣይብጻሕካ ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ፤ካባይ ርሓቕ ፡ ሰይጣን ፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐሰብን ኢኻ እሞ ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። ንሰብከ ዂላ ዓለም ረቢሑስ ፡ ነፍሱ እንተ እጥፍኤ ፡ እንታይ ይጠቅሞ ፡ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ ። እንሆ ኸኣ ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ ። ገና ኺዛረብ ከሎ ፡ እንሆ ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም ። እንሆ ኸኣ ፡ ካብቲ ደበና ፡ ዝፈትዎ ወደይ ፡ ብእኡ ዝስመርኩ እዚ እዩ ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ዚብል ድምጺ መጸ። ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ ። የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም ፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ ፡ ንዂሉ ድማ የቕንዕ ። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ፤ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር ፡ ኣየለለይዎን ። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ። ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢዱ ነስኣሉ። በሎውን ፤ጐይታይ ፡ ንወደይ ምሐረለይ ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ ፡ ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። የሱስ ግና መለሰ በለውን ፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ ፡ ክሳዕ መኣስ ምሳኻትኪም ክነብር እዩ ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። የሱስ ገንሖ ፡እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ስዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም ፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና በልዎ ። የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ፡ ነዚ ኸረን ድማ ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ፡ ትብልዎ ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚስኣነኩምውን የልቦን ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ። ኪቐትልዎ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም ። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ። ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ ፡ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ፤ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ በልዎ። ንሱ ፤ይፈዲባ ፡ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ ፤ ስምኦን ፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት ፡ እንታይ ይመስለካ በሎ ። ጴጥሮስ ፤ ካብ ካልኦትባ ፡ በለ። የሱስ ከኣ ደቆምስኸ ናጻ እዮም። ከይንዕንቅፎም ግና ፡ ናብ ባሕሪ ኬድካ መቓጥን ደርቢ ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግሰተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ ። ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም ፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል ፡ ንኣይ ይቕበል ። ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኪጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ካብ እትድርበስ ፡ ቊሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። ሓውካ እንተ በደለካ ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ ። እንተ ሰምዓካ ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ ። እንተ ዘይሰማዓካ ግና ፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኲሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ፡ ማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ ። የሱስ በሎ ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር። ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን ። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጻባጸብ ዝድለየ ንጉስ ትመስል። ኪጻባጸብ ምስ ጀመረ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። ዚፈድዮ ምስ ስአነ ግና ፡ እቲ ጐይትኡ ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዂሉን ኪሸየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ ፡ ጐይታይ ፡ ተዐገሰኒ ኲሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ ፡ ኢሉ ሰገደሉ ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን ፡ ዕድኡውን ሐደገሉ ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ ። ሒዙ ኸኣ ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ፡ ኢሉ ሐነቆ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ፡ ተዐገሰኒ ፡ ኲሉ ኽፈድየካ እየ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ ። ንሱ ግና አበዮ ፡ ከይዱ ድማ ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ፡ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ ፡ ኲሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ፡ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሀቦ ። ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓው ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ ፡ እቲ ሰማይዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብርኩም እዩ። ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡ ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ። ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ በልዎ ። ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም። ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ። ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ። የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር በለ ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ። ንሱ ፡ ኣየኖት በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ። እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ በሎ። የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ። እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ። የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና በሎ። የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም። መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ኦዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ። ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዚግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። ድማ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ። እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ፡ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም። የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኦም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ድቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡ በለቶ። የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም፡ ንኽእል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ። የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሉ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን። ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕውራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ። እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ኣዝዮም ጨርሑ። የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ። የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ። ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤትፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ። እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ። እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ። ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ። ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ። የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዂሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። ዕውራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡ እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ሐደረ። ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ። ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት። ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ። የሱስ መሉስ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። የሱስ መሉስ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ። ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም። ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። ናብ ኻልአይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝግበረ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናባ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከ ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውት ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩን። ካልእ ምስላ ሰምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ። ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ። ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ። የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። ከም ብሓድሽ ድማ ነቶ ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ስባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኣይ ባሮት ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን። እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡ ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም። ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ። ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በልም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ አልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓው ኸኣ ዘርኢ የቚመሉ፡ በለ።። ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓው ሐደጋ። ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። ኲሎም ኣእተዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣሎኹም። ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን። እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ። ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውና ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ። ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ። ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለካ፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ወዲ ዳዊት፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን። ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኲሉ ግበሩን ሐልውን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። ኲሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክሳውንቶም የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ። ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉን፡ ንስኻትኩምሲ ዂልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትዉዋን፡ ነቶም ኪኣትዉዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም። ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕውራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ ብመሰውኢ ዚምሕል ድሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቚርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቊርባንዶ ወይስ እቲ ንቚርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዂሉን ይምሕል ኣሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል ኣሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕውራት መራሕቲ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕውር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን፡ ትብሉ ኣሎኹም። እምብኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣሎኹም። ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጒዎም ኣሎኹም። እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳኦ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዂሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። እዚ ዂሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዂሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንቡዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዂሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዂሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ፡ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጻሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቅጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኲሎ ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእክቲ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መለእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዂሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነኣ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣሰተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኲሉ ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሸተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኲለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኲለን ተንስኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ንተን ለባማት፡ ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሉሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኲሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጻጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ዐሪቐ፡ ከአንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናኻ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕክሳ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም። ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዂሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪሰቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ። ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መአዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ንብዙሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፡ ድኻታትሲ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኽም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሀል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይሁ፡ ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሌ ኽህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኸፋስግ፡ ይልብ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ኣስጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸምዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሀዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ። ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ። እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ፡ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ። ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ። ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ኲሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኲላቶም ከምኡ በሉ። ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጒህን ኪትክዝን ጀመረ። ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጒህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኸሐልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ ኢ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ኢሉ ምልክት ሀቦም። ብኡብኡ ናብ ይሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ። የሱስ፡ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ። እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፊ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዂሎ ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእክቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧ ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጽእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ዂሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዂሎም ሓዲጎምዎ ሀደሙ። እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳኦ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን። ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። ኣብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ። እቲ ለቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡ ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ። ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት። ንሱ ኣብ ቅድሚ ዂሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ። ዓንቀጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም። ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣየልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን። ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ። ምስ ወግሔ፡ ኲሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ትማኸሩ። ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ። ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ። ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ። ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ። ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ። እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ። እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ። የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ በሎ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን። ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን። እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም። ሽዑ በርባን ዚብሀል ውሩይ ተኣሲሩ ነበረ። ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም። ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም። ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሉኡ መከራ ረኺቡኒ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም። እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ከትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምብኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኲሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ። እቲ ሹም፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ። ጲላጦስ ዘይምዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም። ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ። ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጹሉ። ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። ምስ ኣላገጹሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኡ ኸደንዎ፡ ኪሰቕልዎውን ወሰድዎ። ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ። ጐልጎልታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሜኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ። ምስ ሓሞት እተሖሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ። ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ። ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ። እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ። ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ። ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ከምኡ ድማ ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ምስ ጸሓትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡ ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን። ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ። የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንቡዙሓት ከኣ ተራእዩ። እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ። ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ኣደ ዘብዴዎስውን ነበራ። ምስ መሰየ ድማ። ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ። ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። የሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። ንርእሹ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ። ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም። ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ። ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነውልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም። ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ። ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን። ካብቲ ምቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነአን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ንሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን። ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዂሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ከኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡ ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። እዚ ኣብቲ ሹ እንተ ተሰምዔ፡ ንሓና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምቲ ዝመሀርዎም ገበሩ። ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። ምስ ረኣይዎ፡ ሰገዱሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። የሱ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኲሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ። ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። ብዘላ ሃገር ይሁዳ ኲሎም ሰብ የሩሳሌም ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ክዳን ዮሃብስ ከኣ ጸጒሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቚኡውን ፈልቊ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ። ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ። በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኸወርድ ከሎ ረኣየ። ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ። ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም። ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዐብዎ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣትዩ መሀረ። ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። ኣብ ቤት ጸሎቶም ዳ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ ኦ እንታይ ኣሎና፡ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። ኲሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፡ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ። ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ። ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦምም እንድርያስን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም። ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደርዎም ኲሎም ናብኡ ኣምጽኡ። ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኲሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም። ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽኤ ኣብ ኲላ ሃገር ዞረ። ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄኸኣ። የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኲሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ ኦ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ዳ ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጒዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጸጒዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ ኣሎኹም፧ ኣየናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጒዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽተልጡ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ወጸ፡ ኲሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዐብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም። የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር፡ ንጻድቓን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ፡ ኪጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገብ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ አውይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሐልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቊሱ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ድማ፡ ርኤ፡ ስለምንታይ ብሰነት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በሎው። ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩን፧ በሎም። ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩን፧ በሎም። ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። እምብኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። በቲ ድርቅና ልቦም ጒህዩ፡ ብዂራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮ ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተምኣኸሩ። የሱ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም። ንቡዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኺርንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም። ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም። ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ። ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስኡ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። ኣዝማኡ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ። ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜብል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። የሱስ ጸውዎም፡ ብስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧ መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን። ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። ንደቂ ሰብ ኲሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዂንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም። ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን እነዉ። ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዂሉ እዩ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሀሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። ኰነ ኸኣ፡ ኪዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዂ ከኣ ዐብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዚበቊልን ዚዐብን ፍረ ኸኣ ሀበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ። ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ። ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡ እናረኣዩ ኺርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰዑ ኺሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኲሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን። በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዂሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧ እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። እቶም ቃል ኣብ እተዘርኣ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ። ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። ንሽዑ እዮ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። እቶም ኣብ እሾዂ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ፡ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣ ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን። እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ። በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን፧ ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስውር ድማ የልቦን። ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ። ንዘለዎ ይወሀቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ። ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቊል ይዐቢውን። እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ይሰድድ። በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኲሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቊል፡ ካብ ኲሉ ኣሕምልቲውን ትዐቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር። ምስማዑ ብዚከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም። ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኲሉ ይገልጸሎም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣትንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፧ በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ። ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቚሕ እኳኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። ብመቚሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቚሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽአለ ከቶ ኣይነበረን። ኲሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። እቶም ጓሶት ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐአካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኲሎምውን ተደነቑ። ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝሱ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍውሳን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። ካብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኪሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ዓይኒ ድማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማም ከም ዝሐወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈላጣ። ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዂሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ፡ በላ። ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን ኣሎኹም፧ በሎም። ሰሐቕዎ ድማ፡ ንሱ ግና ንዂሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለዉን ሒዙ፡ ናብታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም። ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዐብዎ። ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዚግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧ እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዐቕን እዩ፡ በሎም። ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሀረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሀቦም። ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኡ ተቐመጡ። ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም። ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምውታት ተንስኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ። ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ንብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምውታት ተንስኡ፡ በለ። ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነት፡ ሄሮድስ እተወልዳላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቓታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ። ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ሰምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ። ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ። ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ። ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ በለታ። ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን። ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ። ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሀባ፡ እታ ጓልውን ነዲኣ ሀበታ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሀርዎን ከኣ ኣዛረብዎ። ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢሎኩም፡ ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ፡ በሎም። በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኲለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ። የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ። እቲ ጊዜ ኣዝዩ ምስ ሐለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ፡ ዚብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቚሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። ንሱ ግና መሊሱ፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ኪበልዑ ኽንህቦም፧ በብዎ። ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ። ንዂሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም። ከከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዂሎም መቐሎም። ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዐሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ። እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም። ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተሳይዳ ኪቕድምዎ ብግዲ በሎም። ምስ ኣሰናበቶም፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ምእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ። ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። ኲሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሀድኤ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን። ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ። ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ። ኣብ ኲላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ድኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኺጾርዎም ጀመሩ። ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቚሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ዂሉውን ሐወየ። ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም። ፈሪሳውያንን ኲሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኸም ጽቡቕ ተነበየ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኸም ጽቡቕ ተነበየ። ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቚርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡ ደጊም ንቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም። ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኲልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሐትትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቚርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዂሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዂሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ። በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጒርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኲርዓት፡ ዕሸነት። እዚ ዂሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም ነቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ፡ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ፡ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ። ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ብማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸአት፡ ማለት እዩ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኑዑውን ተዛረበ። ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዂሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ። በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጸሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኪቕርብሎም ሀቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረቡሎም። ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሀቦም፡ ኪቕርቡሎምውን ኣዘዘ። በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም። ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ። ፈሪሳውያንን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ኪካራኸርዎ ጀመሩ። ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። ሐዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ። ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ፡ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን። ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም። ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዜብልና እዩ፡ ኢሎም ሐሰቡ። የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰርተው ክልተ፡ በልዎ። እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም። ናብ ቤተሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕውር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኪትንክዮ ለመንዎ። ነቲ ዕውር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እምኦ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሐወየ ንዂሉውን ተቐሊዑ ረኣዮ። የሱስ ከኣ፡ ናብ ዕዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዝግብኦ፡ ኪምህሮም ጀመረ። ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛርቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኺገንሖ ጀመረ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኢሉ ገንሖ። ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደአድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሓና እዩ። ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧ ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ። ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ። ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ። የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ። የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም። ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ። ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም። ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡ ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም። ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ። ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ። ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር። ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሀሮም። ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጽሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም። ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሕደ ስጋ ይዀኑ። ስለዚ ሐደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምብኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ። እታ ሰብኣይ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም። ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም። የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም። ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኸውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዐምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ። የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሀየ ኸደ። የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ፡ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል። ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሀሉ። የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኲሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ። ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ፡ ኪብሎ ጀመረ። የሱስ መለሰ በለውን፡ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሕጂ ኣብዛ ዝመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም። ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍር ዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገበረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማንካ ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሀበና፡ በልዎ። የሱስ ግና፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ትምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም። ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ። የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቚጸሩ ኸም ዚግዝእዎም፡እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዂሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም። ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተዉ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕውር ወዲ ጤሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኢሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ኪብል ጀመረ። ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፡ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። የሱስ ድማ ደው ኢሉ፡ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕውር ከኣ ጸዊዖም፡ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ። ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። የሱስ ድማ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕውር ከኣ፡ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዐቦ። ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። በሎምውን፡ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። አቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ገለ ሰብ፡ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ። ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኽብዎ ፈትሕዎውን። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለው ሓያሎ ኸኣ፡ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በልዎም። ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም። ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ። ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንዂሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ። ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ። ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። መሊሱ ድማ፡ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ። ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ ቤተይ ንዂሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሀሮም። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ። ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ፡ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። ንስኻትኩም እንተ ዘይሀደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪመላለስ ከሎ፡ ሊቓውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ በየናይ ስልጣን እዝ ትገብር ኣሎኻ፧ ወይስ እዚንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ንዮሃንስ ኲሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ፈርሁ። ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም። ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደዱዎ። ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዱ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውን፡ ተባሃሀሉ። ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እታ፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ እታ፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ። ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄረድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ። መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር ኣሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ ኣሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብዚ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሀብዶ ኣይንሀብ፧ በልዎ። የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምኡለይ፡ በሎም። ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ፡ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም። ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሓው ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሐደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓው ይውረሳ እሞ፡ ንሓው ዘርኢ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሐደገ ኸኣ ሞተ። እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሐድጊ ኸይሐደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኸምኡ። ሾብዓቲኦም ከኣ ሐድጊ ኣይሐደጉን። ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ ከኣ፡ መጻሕቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ ካብ ምውታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚኸኑ እምበር፡ ኣየእትውን ኣየተኣታትውን እዮም። ብዛዕባ ምውታት ከም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምውታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኹም ትስሕቱ ኣሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም። ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፡ኣካብ ኲለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ መለሰ፡ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፡ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ዂሉ ሓሳብካን ብዂሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልኣይታ እትመስላ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን። እቲ ጻሓፊ ኸኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዂሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኲሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዐቢ እዩ፡ በሎ። የሱስ ድማ። በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፡ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን። የሱስ ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን፡ ጻሓፍቲ ኸመይ ኢሎም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዚብሉ፧ ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳኦ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል። ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዚብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ። ብምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። ብምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ኬምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጻዋት ዘውደቑ ዂሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኲሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዂሉ ምግባ እያ ዝሀበት፡ በሎም። ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡ እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዂሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እይ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸይስሕተኩም ተጠንቀቑ። ብዙሓት፡ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ቅድም ንዂሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሀበኩም ደኣ ተዛረቡ። ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣህሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ና ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። ምእንቲ ስመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኩም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ፡ ኣቐዲመ ዂሉ ነገርኩኹም። በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኸም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ፡ ፍለጡ። እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላልእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥውን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፡ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሀቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዂሉ እብሎ ኣሎኹ፡ ንቕሑ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዐልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፡ ንምንታይ እዚ ጥፍኣይ ቅዱስይ ቅብኢ ዀነ፧ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። የሱስ ግና፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም፡እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። ሰሚዖም ተሐጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዐብዎ። ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። ኪጒህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ። ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኲሎምውን ካብኣ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። የሱስ ድማ፡ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። ጴጥሮስ ድማ፡ ኲሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛርበ። ኲሎምውን ከምኡ በሉ። ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጒን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጒሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። ቅሩብ ንቕድሚት ሕል ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፡ ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኲሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፡ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣለካን፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። ተመሊሱ ኸኣ፡ ኣዒንቶምባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጥን ነበሩ። ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፡ ደጊም ደቅሱ ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ። ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሀቦም። መጺእሪ ድማ ብኡብኡ ንብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዐሞ። ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ። ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፊ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ድማ። ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ ኣብ ቤት መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኲሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሀደሙ። ነጸላ እተኸድነ ጐአዝ ድማ ሰዐቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ። ንሱ ግና ነጻላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ። ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናት ኲሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን። ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፡ ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ተንስእዎ። ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፡ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ ምጽራፍ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኲሎም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረፉ። ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጒስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። ንሱ ግና፡ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ። ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሀብዎ። ጶላጦስ ድማ፡ ንስኻዶ ንጉስ ይሁዳ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ፡ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። ምስቶም ጋሮ ዝገብሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተሉ፡ በርባን ዚብሀል ተኣሲሩ ነበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም። ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ፡ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። ጲላጦስ ከኣ፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም፡ ስቐሎ፡ በሉ። ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሀቦም። እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ። ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ። ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስ ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ። ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ ትርጓሚኣ፡ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ወሰድዎ። ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሀብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። እቲ፡ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣት ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣት ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ከምእሪ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ንሓድሕዶም፡ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን፡ ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጹሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጹሉ ነበሩ። ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። ብታስዐይቲ ሰዓት ይሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፡ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። ሓደ ጐይዩ፡ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብሰፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳኦ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዐባኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን። ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡ ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ። ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ። ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶ። ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሀቦ። ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዐዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዐጸዎ። ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ። ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን። ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን። ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ። ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም። ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ። ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ፡ እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡ ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ። ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ። ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሀል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሀል ሰበይቲ ነበረቶ። ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጒድለት ዚኸዱ ነበሩ። ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ፡ ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ኪዐጥን ብዕጭ በጽሖ። በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኲሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፡ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዀሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ። ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ። ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧ በሎ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣክኩ። እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳብ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ። እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም። ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ። ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት። ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት። ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፡ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፡ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ። እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ። በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፡ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ። ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዂሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት። ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት። ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ፡ ኢላ መለሰት። ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ። ነቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ እናኣመልከቱ ሐተትዎ። ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኲሎም ከኣ ተገረሙ። ብኡብኡ ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። ኣብ ኲሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኲላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡ ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት። ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚኢሉውን ተነበየ፡ ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡ ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ፡ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡ ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ። ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ። ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ። ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ። እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ። ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዂሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀንት ቀዳመይቲ ጽሐፈት እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኲሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። ኰነ ድማ፡ ኣብኡ ኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። በዂሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤትልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዂሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኲሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቚምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቚምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቚምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሀል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፡ ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ። ካብ ወሰን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፈኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ንበርት። ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዂሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኲሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናይ የሩሳሌም ደየቡ። እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ። ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጉሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዐልዎን። ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዂሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቚመትን ብጸጋን ዐበየ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶጽ ሓው ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኲሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ። ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፡ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኲርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን። ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ። ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፡ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም፧ እምብኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንስእሉ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ። ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ስሩ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንታይ እሞ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፡ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሐለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። ዓቀይቲውን፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኲሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡ ዮሃንስ መለሰ ንዂሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ። ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዐዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም። ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡ ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዐጸዎ። ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዂሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ። የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡ ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ፡ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡ ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዮስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡ ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡ ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ ስምኦን፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡ ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡ ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡ ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡ ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜኽ፡ ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ። የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ። ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲአተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዂሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኲላ ዓለም ኣርኣዮ። ሽዑ ድያብሎስ፡ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኲሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ። የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ። ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፡፡ ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ፡። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፡ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። በለ ኸኣ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ስለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሊ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ። ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፡ ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። ኲሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ ነገርዝስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ። ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበርት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ። ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሶኣ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልግለቶም። ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ሕሙማት ናብኣ ኣምጽኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። ኣግንንቲውን፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉን እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ። ንሱ ግና፡ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም። ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ። ካብተን ጃላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቚ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ። ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። እዚ ምስ ገበሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግግዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን። ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዂሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። የሱስ ድማ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ። ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ። ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሓማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ። ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኲሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቐሚጦም ነበሩ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ። እንሆ ድማ፡ ሰባት መጻጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትውዎ እንተ ጨነቖም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ። ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ እዚ ጻርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፧ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ። የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፡ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ። ኲሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፡ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም። ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሀል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ንዂሉ ሓዲጉ ሰዐቦ። ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። ፈሪሳውያንን ጻሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም። ምስላ ድማ መሰለሎም፡ ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቊራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገዊ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ። ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን። ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉ፡ በእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ። ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኸም፧ በልዎም። የሱስ ከኣ፡ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም። ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም። ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሀረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እስኪ ብሰንበር እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ። የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ናብ ኲሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ። ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡ ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡ ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተባህለ ስምኦንን፡ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በማላ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዖው ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ። እቶም ብርኹሳት መናስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኲላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዩም። ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣት ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጽኡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኸም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኺም እሞ፡ ወይለኸም። ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። ኲሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። መልትሕካ ንዝወቕዓካን እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝለመነካ ዘበለ ሀብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኪም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኺም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኲነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋርወ መስፈሪ ኣብ ሕቚፍኹም ኪህቡኹም እዮም። ብምስላ ኸኣ በሎም፡ ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጒድጓድ ኣይወድቁን፧ ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዂሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ግና ዘይተሰብህል፧ ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጒንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ረ ዚፈሪ የልቦን። ኲሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዂ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ስለምንታይ ደኣ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዂሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ፡ ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዐተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ። ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናይ ቅፍርናሆም ኣተወ። ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኺ ለመኖ። ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምውት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፡ ኣይትብከዪ፡ በላ። ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሀባ። ንዂሎም ፍርሃት ሐዞም፡ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ። ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዂሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። እቶም ሰብ ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ድኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሀቦም። የሱስ ከኣ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰብኣይዶ፧ እንሆ፡ ብኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዐቢ፡ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዐብዮ። ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ። እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ። ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ጸደቐት። ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቓጥ ኣምጽኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ምዃና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። የሱስ ከኣ፡ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ ስምኦን ከኣ፡ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘርቀረት፡ ንኣእ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። ንእኣ ድማ፡ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፡ እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። ድሕርዚ ድማ፡ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዅ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቘለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፡ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። እቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ። እቲ ኣብ እሾዂ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቚርዎ፡ ብትዕስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም። ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕ ቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስውር ከኣ የልቦን። እምብኣርከ ንዘለዎ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ። ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፡ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም። ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። ሽዑ፡ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፡ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሀሉ ተደነቑ። ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፡ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሀለው የብሎ ነበረ። የሱስ ከኣ፡ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ለጌዎን፡ በለ። ናብ መዓሙቚ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጻድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ። እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም። እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኲሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቐበልዎ። እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ። ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። እንሃ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኲሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። የሱስ ከኣ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኲሎም፡ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዀይኑ፡ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕጡኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሐብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጾ። የሱስ ሰሚዑ፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣብታ ቤት ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። ኲሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፡ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ። ንሱ ኸኣ ንዂሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዱ ሒዙ ዐው ኢሉ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ በለ። ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ። ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም። መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም። ኣብታ ዝኣተኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዘሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን የሕውዩ ነበሩ። ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። ሄሮድስ ከኣ፡ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ። ሃዋርያት ድማ ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም። ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፡ ኣብዚ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። ንስኻትኩም ዚብላዕ ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዂሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። ከምኡ ገበሩ ንዂሎምውን ኣቐመጥዎም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኼቕርቡሎም ሀቦም። ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፡ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፡ ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። ንዂሎም ከኣ፡ ደድሕርይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐር እዩ። ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። ካብቲ ደበና ድማ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ንየሱስ በይኑ ረኸብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቕነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ። እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠርዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቐጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ። ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሀቦ። ኲላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኲላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዂሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሀብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዐልዋን፡ ከየስተብሀልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎዉን ፈርሁ። ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኲልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዐበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ ዘይካራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገሩ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰማርያ ኣተዉ። ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፡ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ። ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። በሎም ከኣ፡ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። ማሕፋዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን፡ በሉ። ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኣ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። ኣብ ዝኣቶኹምዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ። ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባያ ወጺእኩም፡ እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ፡ በሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ። ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ። እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። በሎም፡ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ሓይሊ ጽላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ። በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፡ ኣቦይ ጐያ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። ኲሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ በዝይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ከመይሲ ተንብብ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ፧ በሎ። የሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ። ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጒህይን ኣሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም፡ ምጽላይ ምሀረና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ዂሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ። በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቚሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧ ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። ገሊኦም ግና፡ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፈላለየት፡ ትወድቕ እያ። ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፋላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት። እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዐሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ኻልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ። ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰብይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፡ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም፡ በላ። እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፡ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። ከምቲ ዮናስ ንስብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ። ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽ ትኵንኖም እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዂንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። ኲሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃን ዜብርሃልካ፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ። ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቕድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። ጐይታ ኸኣ በሎ፡ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባኑ ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ህቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዂሉ ጽሩይ ይዀነልኩም። ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኲሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርኤን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሉኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፡ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ንስኻትኩም መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም። ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፡ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጒዎምን ኣለዉ። ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፉ ደልዮም እናተጻናተዉ ብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ። ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብሎም ጀመረ፡ ቅድሚ ዂሉ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። ግናኸ ስውር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሽጢ ብሕሽዂሽዂ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበኽ እዩ። ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፡ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፡ ነቲ፡ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍሩ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ሓሙሽተ ዕፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዂለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዂሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዂሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፡ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኲሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፡ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፡ ከምዚ እገብር፡ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኲሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፡ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቚመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧ ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዪ ኣስተብህሉ፧ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ ንስኻትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትደለዩን ኣይትጨነቑን። ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ዂሉ ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጦ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ። ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ። ሓቛቚኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ ወይስ ንዂሉ ኢኻ፧ በሎ። ጐይታ ኸኣ በለ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ። እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ። እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም። ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሎኹ፧ ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ። ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለስተ ኺፋላለዩ እዮም። ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ። ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም። ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፡ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፡ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፡ ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድካ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይሀበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፧ እብለካ ኣሎኹ። በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኲሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዂሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩ፧ ኣይፋሎም፡ እነ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። እዚ ምስላዚ ኸኣ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኸብኩላን። ቊረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተበላሹ ኣላ፧ በሎ። ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ፡ ድኸዒ ኽሳዕ ዝድኲዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝበ፡ ኪዕየየን ዚጋእ ሹድሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምብኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። ጐይታ ግና፡ ኣታ ግቡዝ፡ ካባኻትኹምከ ዂሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ኻብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመኦኣልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዂሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዂሉ መስትንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ። ድሕርዚ በለ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ እያ እትመስል፡ በለ። ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ። መገዱ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕኒዑ ነበረ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰልኩም እዩ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ ባሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዂላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኪብል እዩ። ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዂሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ። በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፡ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውደእ ኣሎኹ። ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጻባሕን ክመላለስ ይግብኣኒ እዩ፡ በልዋ። የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ድርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝይደሌኹ እሞ ኣቤኸም። እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓላቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኺበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። መሊሱ ድማ በሎም፡ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ፡ ብእኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ። ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዐደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፡ እዛ ስፍራ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፡ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ። ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓትውን ዐደመ። ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ፡ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ። ኲሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፡ ግራት ዐዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዐዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምንካ ኣሎኹ፡ በሎ። እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ አሎ። እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ። እቲ ባርያ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ግና ኣሎ፡ በሎ። እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጽእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ። ካብቶም እተዐደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፡ ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን። ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧ ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧ ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧ ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው፡ መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ንወጻኢ ይጒሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ኲሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጒረምረሙ። እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፡ ነታ ዝጠፍአትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዂስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ ምስ ረኸበታ ድማ፡ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን። ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። በለ ድማ፡ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፡ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፡ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። ተንስኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። እቲ ወዲ ድማ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀርበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ፡ በሎ። ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ ወደይ፡ ንስኻስ ኲሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ፡ በሎ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፡ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። ጸዊዑ ኸኣ፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ። እቲ ኣዛዝ ኸኣ ብልቡ፡ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፡ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፡ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጾኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዘገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። ኣነ ኸኣ፡ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኸምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዂሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። በሎም ድማ፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኲሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቚጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል። ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ። ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ። ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ። ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባህሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕስሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ። ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፡ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። ጐይታ ኸኣ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመት፡ ዚብሎ መን ኣሎ፧ ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፧ ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም፡ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ። ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። ንሱ ርእይዎም፡ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ። በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። የሱስ ግና፡ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እትመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፡ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም። ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፡ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን። መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን። ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዐቕ ብግዲ እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትውን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዂሎምውን ኣጥፍኤ። ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፡ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡ ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዂሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኸውሰድ፡እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። መሊሶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፡ ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም። ከይቀበጹ ዂሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ፡ ብምስላ ተዛረቦም ፡ ከምዚ ኢሉ ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት ፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ ፡ ምስ እዚ መባእስትይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ፡ ትብሎ ነበረት ። እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ ። ድሕርቲ ግና ብልቡ ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒስ ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ ፡ በለ ። ጐይታ በለ ፡ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ ፧ ይጽመሞዶኸ ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና ፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ ፧ ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፡ ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኲሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጻዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። የሱስ ግና ጸዊዑ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ ኣይትኸልክልዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ሓደ መራሒ ድማ፡ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፧ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን። ነተን፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ነዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ። የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሀየ። የሱስ ዝቡሕ ምጒሃዩ ርእዩ፡ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ። እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፧ በሉ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣሎ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዂሉ ሐዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዂሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። ነግዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡ ገሪፎም ድም ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዐሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕውር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ። የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ። እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ። የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዐቦ። እቶም ህዝቢ ዂሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእአ ሐለፈ። እንሆ፡ ዘኼዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቊመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ፡ ምኽኣል ሰኣነ። ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ። የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፡ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። ቀልጢፉ ወረደ ተሐጒሱውን ተቐበሎ። እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኲላቶም ኣዕዘምዘሙ። ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሀቦም። ድቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሀቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። እቲ ቐዳማይ፡ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። ነዚ ድማ፡ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። ንሱ ድማ፡ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ። እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ። ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ምስ ቀርበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፡ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። ንሳቶም ድማ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። ናብ ይሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። ንሱ ኺኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። ናብ መወዳእታ ቚልቊል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ኲሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዂሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎ ጀመሩ እሞ፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ። ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰኣኑ። ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፡ በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፡ ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኲሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡ ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብሮ፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጒ ናብ ካልእ ሃአር ከደ። ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቒዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቚሲሎም ንወጻኢ ሰጐጒዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ። እቶም ዓየይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶ፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ። ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ያእ፡ ኣይግበሮ፡ በሉ። ንሱ ግና ጠሚትዎም፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ። ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ። ንሳቶም ከኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና። ንቂሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ግና ጒርሖም ፈሊጡ፧ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ አን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ናይ ቄሳር በሉ። ንሱ ድማ፡ እምብኣርሲ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪማም ኣጽቀጡ። ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ፡ ከምዚ ኢሎም፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ ሓው ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓው ሓድጊ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ። እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምኡውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ። መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት። እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ ከኣ በሎም፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። ንእኡ ዂሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሱሉ። ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን። ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧ ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧ ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧ እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ውዱ ይኸውን፧ በሎም። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጻሓፍቲ ተጠንቀቑ። እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም። ቊሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፡ ካብ ኲላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እዚኣቶምሲ ዂላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዂሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ። ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፧ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ደድሕሪኦም ኣይትስዐቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። ሽዑ በሎም፡ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጒኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም። እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ። ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህበኹም፡ ካባኻትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም። ስለ ዝመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። ግናኸ ኻብ ርስትኹም ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ። በተን መዓልታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብብዋን ወይልኤን። ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኲሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትረግጽ እያ። ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ። ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኲሉ ኦምን ርኣዩ። ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ክትርእዩ ኸሎኸም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኲሉ ነገር ንምምላቚን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኲሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ። መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ። ፋስጋ ዚበሀል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆርታዊ ዚብሀል ይሁዳ አተወ፡ ንሱ ኻብ ቁጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ ተዛረበ። ተሐጒሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህበኦ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ተሰማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ። እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኪዱ፡ ኪንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፡ በልዎ። ንሱ ድማ በሎም፡ እንሆ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዐብዎ። ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፡ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ እተነጸረ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይእተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ። ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪመራመሩ ጀመሩ። መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸምዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። ሽዑ ንሱ በሎም፡ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም። ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነይ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ደሓር ከኣ፡ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳኢኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓንቲ እኳ፡ በሉ። በሎም፡ ሕጂ ግና ማሕፋዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኡ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፡ ይኣክል፡ በሎም። ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ስዐብዎ። ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንሱ ኸኣ፡ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም። ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚብሀል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ። የሱስ ድማ፡ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ከኣ፡ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ ከም ናይ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፧ ኣብ ቤት መቕደስ ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም። ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ ናብ ወጻኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ። እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማየላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፡ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ። እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትመልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም። ኲሎም ከኣ፡ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ። እቶም እተኣከቡ ዂላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። ንሳቶም ከኣ፡ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፡ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሀረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዐዩ። ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ። ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገበሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ። ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። ሄሮድስ ድማ ምስ ገላውኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ። ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኸስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኲሎም፡ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ። በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፡ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዐረ። ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ። ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሀቦ። ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ኻብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም። ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቐልዎ። የሱስ ድማ፡ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለአ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፡ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፡ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። እቲ ኻልኣዩ ግና፡ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ርዲ ኸሎኻኸ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍኣት እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። ንየሱስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቊባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። እቶም ዚፈልጥዎ ዂሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዐባኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ። እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ኸመይ ከ እተነብረን ረኣያ። ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዐረፋ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧ ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም። እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ። እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡ ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ። ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም። ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ። በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም። እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ። ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ። ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም። እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ዳ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ። ኣይሁድ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፡ ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ድኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፡ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ደማ፡ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ፡ ኢሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕጾ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስክረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዐብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ረቢ፡ ትርጉሙ መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፡ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዐሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓው ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ንመሲህ፡ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡ ረኸብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፡ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡ ክትብሀል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ሳይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እምኦ፡ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፋ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፡ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፡ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፡ እንሆ፡ ጒርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፡ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፡ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዮሱስ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፡ ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዐደመ። ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፡ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ንሱ ዚብለኩም ኲሉ ግበሩ፡ በለቶም። ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኸሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዚግብእ እዩ። የሱስ፡ ነዚ ኣጋንእን ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዐሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ ኲሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። የሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑር ከም ዘሎ ዘክሩ። ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። ነቲ፡ ይሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን። የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን። ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፡ ረቢ፡ ብጀካ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢካ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኲሉ ኸኣ ናብኡ ይከይድ ኣሎ፡ በልዎ። ዮሃንስ ከኣ መሉሱ በለ፡ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መሮዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዐቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ። ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኲሉ ኣብ ኢዱ ሀቦ። ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ቊጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ። ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡ ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉ ኣየጥመቐን፡ ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ዀኖ። ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሀቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ። ኣህኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ ኣሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ህያው ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሀበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧ ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሀበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዐቢ ኢኻ፧ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሀበኒ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። እታ ሰበይቲ መሊሳ፡ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልኪ ቅኑዕ ተዛረብኪ። ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዚስ ሓዊ ተዛረብኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ። ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ። የሱስ በላ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኸም እትመጽእ፡ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶምስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኲሉ ኺነግረና እዩ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፡ እንታይ ትደሊ፧ ወይሲ፡ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣሎኻ፧ ዝበሎ የልቦን። እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፡ ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም። ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፡ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃህሉ። የሱስ በሎም፡ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጸዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዐርኩምሉ ኽትዐጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዐሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ ዝገብርክዎ ዘበለ ኣጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። እቶም ሳምራውያንውን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለምንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ። ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። ነታ ሰበይቲውን፡ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምኻኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ። ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ። ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ። ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ። የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኸም፡ በሎ። እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ። ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ። ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ። ሾዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣይ እዩ። ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም፡ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጒዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። የሱስ ግና፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዂሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ፡ ህይወት ሀቦ። ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሀቦ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። ንስኻትኩም ናይ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን። ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቕበልን እየ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም እፈልጠኩም ኣሎኹ። ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸሰኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧ ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ። ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፡ እዚኣቶም ምእቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ። እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዚበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ። ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቊራሳይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕሞ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቊጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ። የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሀቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም። ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም። ስለዚ ኣክብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዕ ኻብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኤ። እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ። የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ። ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ። እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮምዎ ፈርሁ። ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ምድሪ በጽሔት። ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፡ ግናኸ ኻልኦት ጃላቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኻ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፡ ሽዑ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃላቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም፡ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። ስለዚ፡ ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር ኣሎኻ፧ ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሀቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ዂሉ ሳዕ ሀበና፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ። ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጒረምረሙ እሞ፡ እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል ኣሎ፧ ይብሉ ነበሩ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጒረምርሙ። እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ኣብ ነብያትውን፡ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኸምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፡ እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምኻኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፡ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን። ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን ኦ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ። ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ። ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ። ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም። እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ። እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን። ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ። ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን። የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ። ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ። ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፡ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረቦ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን። ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፧ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ጋኔን ኣሎኻ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዂላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም። ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፡ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እሞበር፡ ካብ ሙሴ ኣይኰነን፡ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣሎኹም። እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኲለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዂርዩለይ ኣሎኹም፧ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም። ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊዕጦም ኰይኖም፧ ግናኸ እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ። የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፡ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎም ኢኹም። ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ። ስለዚ ኪሕዝው ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን። ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ። ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጒረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። ስለዚ የሱስ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩም እዩ፡ በሎም። ስለዚ ኣይሁድ፡ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ክምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧ ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓል እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ። በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፡ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ። ካልኦትውን፡ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፡ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧ እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤትልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፧ በሉ። ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ። ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዐለሉ ግና የልቦን። እቶም ገላው ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም። እቶም ገላዉ፡ ከምዚ ሰብኣይ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ። ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፡ ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔ እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ። ኲሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ። የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፡ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተታሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ። ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኲሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ዝፈረደኪዶ የልቦን፧ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ። ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም። ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር ኣሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ ኣይፈርድን እየ። ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ ኣሎ። ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ። የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን። ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ኣነ እኸይድ ኣሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ኢሉ፧ በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር ኣሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን። ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኲሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም። ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እት ብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ መለሰሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዂሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዂሉ ጊዜ ይነብር እዩ። ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም። ንሳቶም፡ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን። ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። ኣይሁድ ከኣ፡ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣሎኹም። ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደሊን ዝፈርድን ግና ኣሎ። ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ድማ፡ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፡ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ፡ ትብል ኣሎኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዐቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እሮአ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከምዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ስለዚ ኺድርብዪሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ። ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፍውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ለኸየ እሞ፡ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆምትርጓሜኡ ልኡኽ፡ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ። ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ። ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፈልጥን፡ በሎም። ነቲ ቕድም ዕውር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፡ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕውር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነብዪ እዩ፡ በለ። እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዕ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፡ እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። እቶም ወለዱ ድማ፡ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስክረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጒዎ ሐጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። ስለዚ እቶም ወለዱ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። ሽዑ ነቲ ዕውር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሀብ፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ መሊሱ፡ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ጸረፍዎ እሞ፡ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንስኻ ዂለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፡ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። የሱስ ድማ፡ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፡ ንሕናኸ ዕውራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ዕውራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጥኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ንርኢ ኣሎና፡ ትብሉ ኣሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዕ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዐልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዂላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሀድም። እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሀድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዐብድ ኣሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እትሰምዕዎ፧ በሉ ካልኦት ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧ በሉ። ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፡ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። የሱስ መለሰሎም፡ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም። ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሀበኒ ኣቦይ ካብ ኲሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ኸኣ፡ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ፡ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ መለሰሎም፡ ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ትጻረፍ ኣሎኻ፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዂሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። ኣብአውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። ስለዚ እተን ኣሓቱ፡ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ። የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ። የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። ሽዑ የሱስ ብግህዶ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቱ፡ ንሕናውንከ ምእሱ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም። ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ። ማርታ ድማ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ። እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን ኣሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት። የሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፍራ ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ማላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዐብዋ። ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፡ ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። የሱስ ነብዔ።። ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዮ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፡ እዚ ግና ብእምኒ እተዐጽወ በዓቲ እዩ፡ የሱስ፡ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ። ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዐልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኲሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለ። እዚ ምስ በለ፡ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኲሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። ሓደ ኻባታቶም ቀያፊ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ኲሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነበዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ። ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ። ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ። ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦም ግና፡ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ። እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፋዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ። ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ። ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላው ፈሊጦም፡ መጹ። ነቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ። ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ቡዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዐልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሐ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ። እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።። ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ። ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሀሉ። ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ። ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ። ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ። ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። ሕጅስ ነፍሰይ ጒህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ። ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጒዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፡ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛእ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዂሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ። ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ የሱስ፡ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። ደቂ ብርሃን ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ። እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ። ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን። ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን። የሱስ ግና ጨደረ በለውን፡ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ። ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ። ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ። ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ። የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሀቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛምርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቀ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀሚሩ። ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣኣጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሓጽበ፡ ኩለንተናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኲላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኲላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ። ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሐጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩምልሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፡ በሎም። ንስኻትኩም መምርህን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ። ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ። ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጉህዩ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቶም ደቀመዛምርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ካብ ደቀ መዛምርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። ንዕኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። እቲ ኣብ ኣፍልቢ የሱስ ተጐዝጒዙ ዘሎ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እቲ ኣነ ቑራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ከኣ ቊራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆርታዊ ሀቦ። ድሕሪ እታ ቚራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፡ ንበዓል እንደልዮ ዐድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሀብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። ንሱ ግና ነታ ቚራስ እንጌራ ምስ ተቐበላ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ። ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፡ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉ ኺፈልጥ እዩ። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይኑ፧ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደኒስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኸም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈልጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን ኣሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። የሱስ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፡ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል ኣሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹን ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፡ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዂሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸምዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን ኣሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ። ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኣ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኸም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኺም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዂሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኩም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዂሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፡ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝኸነ። እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም። ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብሩኹም፡ እዮም። ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ። ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን። ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ። ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ግና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኲሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዂሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፡ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ። ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፡ እዚ፡ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተባሃህሉ። ስለዚ፡ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። የሱስ ከኣ ኪሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ናህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጒሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጒሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ። እምብኣርከ ንስኻትኩኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን። በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኸም ዚህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም። እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ። ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን። ኲሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን ኣሎና፡ በልዎ። የሱስ ከኣ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ እንሆ፡ ኲላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን። ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፡ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዂላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፡ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዂላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒ፡ ቃልካውን ሐለዉ። እቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዂሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትኻ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኲሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ። ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም። ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከለኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን። ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ። ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኺቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ን ሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ ኣሎኹ። ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ ኸፍልጦምውን እየ። የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። ይሁዳ ነቶም ጥፍራ ሮማውያንን ንገላው ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ መጸ። ሽዑ የሱስ ዝመጾ ዘሎ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። ሽዑ፡ ኣነ እየ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ በሉ። እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኸፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኸፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ። የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፡ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነቲ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧ በሎ። ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፊ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ። ቀያፊ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ። ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዓጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዓጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፡ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ በለ። ብዙሕ ቊሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላዉን ሓቂ ኣጒሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ፡ ኲሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ ኣሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ። እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላዉ ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ ኣሎኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ። የሱስ ከኣ፡ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። ሃና ከኣ፡ ናብ ቀያፊ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፡ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ። ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፊ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ። ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ። ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፧ ኢሉ መለሰ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናት ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፡ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን፡ ኢሉ መለሰ። ጲላጦስ ድማ፡ እምብኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዂሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧ በሎም። ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ን አዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ። ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ። እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። መመጺኦም ከኣ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾዂ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም። ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ገላዉን ምስ ረኣይዎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም። ኣይሁድ ከኣ፡ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩይ፡ ኢሎም መለሱሉ። ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ። ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን። ጲላጦስ ከኣ፡ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፡ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዂሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፡ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፡ ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ። ሽዑ ኺስቐል ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። መስቀሉ ጸይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ። ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ። እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ። ጲላጦስ፡ ዝጸሐፍክዎ ጽሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነንሓድ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃህሉ። እቲ፡ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ። ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወዲ መጽሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ድሕርዚ የሱስ ኲሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ጸማእኩ፡ በለ። ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፡ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት። ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዂልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። ናብ የሱስ መ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝዓረፈ ርእዮም፡ መሓዂልቱ አይሰበርዎን። ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። እቲ ዝረኣየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ። እቲ፡ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። ካልእ ጽሑፍውን፡ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ። ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ። እቲ ቕድሚ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ። ንስጋ የሱስ ወስዲ፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ። ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ። እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ ኣምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡ ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም። ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ። ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን። ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግን ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግን ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ። ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። የሱስ ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኸ፧ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ ረቡኒ፡ በለቶ፡ ትርጒሙ መምህረይ ማለት እዩ። የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ ኣሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርህዎም፡ መዓጹ ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም። ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጒሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። ቶማስ መሊሱ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርብኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ። የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ። ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፡ ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን። የሱስ ከኣ፡ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፡ የብልናን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፡ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐቡዎ፡ ብጃልባ መጹ። ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን። የሱስ ድማ፡ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን። የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ። የሱስ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳልይ ጊዜኡ እዩ። ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ዕያውተይ ኣብሎዕ፡ በሎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ። ሳልሳይ ድማ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፡ ስለ ዝበሎ፡ ጒህዩ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ዂሉ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣባጊዔይ ኣብልዕ። ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወዲ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፡ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ፡ ዝበሎ እዩ። ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፡ በሎጅ። የሱስ ከኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ። ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን። እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወደ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና። የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኲሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዂላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ። ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡ ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡ ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ። ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥምቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥምቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበሎ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስ ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ። እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ። ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ። ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዚብሀል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ። ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ። ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ። ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡ ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈልጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽን ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኸሐድር እዩ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኸሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኣሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይተመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይተመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤት መቕደስ የቐመጥዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓንካርዓንካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዩዎም፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባደን ብምግራምን መልኡ። ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ። ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም። ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ክፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሀብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድክምዎን። እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም። ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስአ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ። ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ጀን ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብስያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዂላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለአኾ። ንህዝቢ ኺነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም፡ ንህዝቢ ስለ ዝመሀሩን፡ ትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን፡ ሐሪቖም፡ ኢዶም ዘርጊሖም ሐዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዖዎ ብዙሓት አመኑ። ቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስእዕም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ኸሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስእዕም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ኸሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ። ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገነበርኩምዎ፡ ኢሎም ሐተትዎም። ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡ ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር፡ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስአ የሱ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም። እቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፡ ዚዛረብዎ ሰአኑ። ኻብ ዋዕላ ኼግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ። ኻብ ዋዕላ ኼግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ። ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ። ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ። ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም። እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዚቐጽዕዎም ምስ ሰአኑ፡ ኣፈራሪሆም ሐደግዎም። እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዚቐጽዕዎም ምስ ሰአኑ፡ ኣፈራሪሆም ሐደግዎም። ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ተዛረብዎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧ ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ። እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡ ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡ ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሪ ሸጠ። ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ጵ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ። ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ። ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ። ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ፡ ጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሐወዩ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡ ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡ ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ። ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሐዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሀሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ኪእከቡ ጸውዑ። ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዐጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሐለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም። እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዐጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሐለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዚብልዎ ሰኣኑ። ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲ፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮም። ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር ኣዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡ በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስእሕአ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ። በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጶሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ሰባት ሐበሉ። ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ። ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡ ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም። ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ። ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ። ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ጊዜ ለኣኾም። ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ። ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ። ናብ ሰኬም ድማ ኣግዐዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዐደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ። ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን። ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን። እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም። በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ። ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶ፡ ወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ። ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ። ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ። ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ። ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ኪብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ኬተዐርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም። እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ። እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ። ኣርብዓ ዓመት ምስ መልኤ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ። ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን። ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦት ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ። መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ። ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም። እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ። ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ። ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይነልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም። ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም። ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም። እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት። ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ኪወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር ኪረክብ ከኣ ለመነ። ቤት ዝሀነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም። ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሐሎኹምዎን። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ። ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡ እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሐቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ። ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ። ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጒ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰም ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም። ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም። ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካ፡ ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ፡ ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ገደ የብልካን። እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ። ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ። ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ፡ ኢሉ መለሰ። ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሀሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፡ ተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕርብ፡ በሎ። ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧ እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ። መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ። ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታይ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። ከይረኣየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኸንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ። ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ ኣሎኹ። ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ። ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሓ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሓ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ። ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ። ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ። ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣኦም የትሕዞም ነበረ። ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ። ሳውል ግና ምኽሮም ፈልጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ፡ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ። እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት። ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ። ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ። ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ። ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምውት እያ። ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተ። ሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ። ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ። ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት። ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ። እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ። ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ። ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብጉድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ። ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ። ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡ ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ። ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ። ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብሉ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱ። ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ። ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኸኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእይኒ። ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኪነግረካ እዩ፡ በለኒ። ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ። ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ። እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡ እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡ ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ። ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ። ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ። ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ፡ ሰምዑ። ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ። ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ። ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኺነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዚመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ። ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሀልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዚብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ። ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ኣነ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስ ወይስ ዜፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣየልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ። ካልኣይ ጊዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ። እዚ ሰለስተ ጊዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ። እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና። ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልአኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ፡ ኪብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረኒ። ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልአኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ፡ ኪብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረኒ። ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ። ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ። እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሀንበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዚህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧ እዚ ምስ ሰምዑ ሀድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሔ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይግሩን ነበሩ። ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም። ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዔ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ። ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ። በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሀሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ። በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ። በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሔ። ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ። እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሐዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ። ምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ። ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሐሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ፡ ንጴጥሮስን መሰንገሉኡ ተንከዮ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዐጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱውን ወጺኡ ሰዐቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዐለን። ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሐለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሐለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሐነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰዕ መጸት። ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ። ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ። ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹ። ምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቓ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑ። ሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ኣፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ። ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀቡ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሐሲኹውን ሞተ። ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ። በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረድኤት ኣብጺሖም፡ ካብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣነቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ ተማልእዎ። ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔኔር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን። እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ንብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንሱ ምስቲ ምስለኔ። ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርን ኢኻ፧ ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕልኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኣውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ። ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ። ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሐሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ። ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም። ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡ ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም። ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም። ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሀቦም። ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳውል ወዲ ቂስ ሀቦም። ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተን ሰኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስኤ፡ ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ። ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ። ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም። ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና። ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና። ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ። ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ። ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ። እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረኣየን። እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብልጅ ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብልጅ ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም። እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዐቡ። ንሳቶም ኪነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ መዐድዎም። በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸቡን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ። ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ። ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዚኣምኑ፡ ተዛረቡ። እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን። ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ። ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡ ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ስልጥራ ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም። ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን። እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። ብጲስድያ ሐሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ። ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾክያ ብመርከብ ተሳገሩ። ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም። ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ። ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም። ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያት ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ። ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሐለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም። ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም። ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ። ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሀበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና። ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኺነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ። ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ። ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሀቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሀቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ። ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን። ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሀርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። ነተን ማሕበር እናጽንዔወን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ። ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሀል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጻንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። ልድያ እትብሀል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ከብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡ ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎም ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ። ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሀቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እምን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎ ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶ ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ። ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡ ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ። እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡ ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዚብሀል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ። ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም። ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም። እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ። ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጠሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዐብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ። ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን። ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምሳኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይ ተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ ኣነግረኩም ኣሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስ ፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ። ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ። ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዐየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ። ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ። ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሀል፡ እግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ። ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን። ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሀረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ። ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ። ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምድ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሀዲኤ ኽሰምዓኩም ምተገብኤ ነይሩ። ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም። ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን። ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሐደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ። ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ኪጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡ በዚ ዚመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ። ኣብ ቂሳርያ በጽሔ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ። ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዔ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ። ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናብ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ። ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ። ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ። ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ። ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶም እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቐም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ። ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን። እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ። ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ። በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ። ድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም። እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም። እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዐቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ። ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶ ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ። እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘየልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሀል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሀድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ። እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ። በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና። ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ። እቲ ታዕታዕ ምስ ዐረፈ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዐዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ነቐለ። ብብዙሕ ቃል እናመዐዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ። ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሐሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ ምኽሩ ቘረጸ። ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። እዚኣቶም ቅድሜና ሐሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና። ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና። ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ። ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዐልዎ። ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ ኣላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም። ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔ፡ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ። ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ኪኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሐሲብና፡ ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡ ንኣሶስ ኣቢልና ሐለፍና። ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብና፡ ተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና። ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና። እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ኬብዕል ተሀዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድኤ። ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም። ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። ስሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ። ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን። ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘክርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም። እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሐቢሩ ጸለየ። ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፡ ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ። ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ። ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና። ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሐዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ። ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና። ንሓድሕድና ደሓን ውዐሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ። ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዐልና። ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ። ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ። እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሀዳእና። ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና። ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና። ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሔ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። ኣብ ምእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ብዛዕባ ሙሴ ኸርህቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩአ ኢልካ ኸም አትምህሮም፡ ሰሚዖምልካ ኣለው። ምምጻአካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧ እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡ ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ኪላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሐሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ኪፈልጡ እዮም። ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሐርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ኪሐርሙ እዚዝናዮም ኣሎና። ሽዑ ፓውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሄ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልኤ ኺነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ። እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሐዝዎ እሞ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገቡ ንዂሉ ሰብ ዚምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ። ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ። ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገርት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሐብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ። ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዐበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሔ። ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሐደጉ። ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሐዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ኪኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሐተተ። እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ። ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ። ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ። ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ። ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሀብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ። ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም። ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ። ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን። ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም፡ በለኒ። ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ። ሃናንያ ዚብሀል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡ ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ። ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ። ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ። ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡ ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ኪብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ። ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሐሎኹ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ። ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኣኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሐቕ፡ በሉ። ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዚጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ኣዘዘ። ኪገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ። እቶም ኪምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሄ። ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ኪፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ኪእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ። ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፡ በሎም። ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኣፉ ኺዘብጥዎ ኣዘዞም። ጳውሎስ ከኣ ንእኡ፡ ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ፡ ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ። ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኣሎኻ፡ እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኺዘብጡኒ ትእዝዝ ኣሎኻ፧ በሎ። እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣሎኻ፧ በልዎ። ጳውሎስ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩም፡ በሎም። ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦምውን ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ፡ ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ ኣሎ፡ በለ። ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ። ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ። ብዙሕ ጫውጫው ድማ ኰነ፡ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን። መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡ ከመይ ደኣ ይኹን፧ ኢሎም ተንሲኦም ተኻራኸሩ። ብዙሕ ባእሲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንሳቶም ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ጭፍራ ወሪዶም ካብ ማእከሎም ዘሪፎም ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዞም። ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ። ምድሪ ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሐሉ። እቶም ነዚ ኺገብሩ እተማሓሐሉ ኸኣ ካብ ኣርብዓ ይበዝሑ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ናብ ዓበይትን መጺኦም፡ ንሕና ንጳውሎስ ከይቀተልናዮ ግለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተማሓሒልና ኣሎና። ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ናባኻትኩም ኬውጽኦ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸምዝደሌኹም ጌርኩም ንገርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሔ ኽንቀትሎ ተዐጢቕና ኣሎና፡ በልዎም። ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ከኣ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ ኸደ እሞ ናብቲ ሰፈር ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ድማ ካብቶም ሓላቑ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ዘረባ ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ፡ ጳውሎስ፡ እቲ እሱር፡ ናብኡ ጸዊዑ እዚ ወድዚ ዚነግረካ ዘረባ ኣልይዎስ፡ ናባኻ ክኣትወሉ ለሚኑኒ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ፡ ንበይኑ ኣግሊሱ ድማ፡ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕካ ኽትሐቶ ኸም ዝደሌኻ መሲልካ፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኺተውርደሎም ኪልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። ካባታቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዚበዝሑ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ንእኡ ኽሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ፡ ብርእሶም ምሒሎም ኣለዉ እሞ ሕጂ ተዐጢቖም ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ፡ እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ እሞ ሰደዶ። ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊእዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ቂሳርያ ኪኸዱ፡ ክልተ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ ሰብዓ ፈረሰኛ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ፡ በሎም። ንጳውሎስ ምእንቲ ኼስርርዎ መጽዓኛ ኺማልኡ ብደሓኑውን ኣብ ፌሊክስ፡ ኣብቲ ራእሲ፡ ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደብዳበ ጸሐፈ፡ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንፌሊክስ፡ ነቲ ልኡል ራእሲ፡ ሰላም ይብሎ ኣሎ። ነዚ ሰብኣይዚ ኣይሁድ ሒዞም ኪቐትልዎ ደልዮም ከለዉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ ምስ ጭፍራ መጺኤ ኣናገፍክዎ። እቲ ዚኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም ኣውረድክዎ። ሽዑ ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር፡ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። ኣብዚ ሰብኣይዚ ውዲት ከም ዝገበሩ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ፡ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቅድሜኻ ኪኸስዎ ኣዚዘዮም ኣሎኹ። ደሓን ኩን። እቶም ዓቀይቲ ድማ፡ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ ብለይቲ ወሲዶም፡ ኣብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። ንጽብሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ይኺዱ ሐደግዎም፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ራእሲ ሀብዎ። ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ሐተቶ። ብዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ እሰምዓካ፡ በሎ። ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሀል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ። ንሱ ምስ ተጸውዔ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸሶ ጀመረ፡ ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና። ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ። ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደልየ እሞ፡ ሐዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና። ግነኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ። ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኺሐልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ። ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ። እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ። ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን። ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ኪረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፊ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ክቕርብን መጻእኩ። ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ። ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ። ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘርባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘርባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ ማእሰርቲ ኼቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክ ኣዘዞ። ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዔ። ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪረክብ ትስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምጽኤ ይዛረቦ ነበረ። ክልተ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሐደጎ። ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሐዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዐሉሉ። ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ኬደይበሎም ሞገስ ለመንዎ። ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሐሰበ፡ መለሰሎም፡ እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም። ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ኪረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ። ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ። ፌስጥስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞበዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዚግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡ ዐሚጸ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገይረ እንተ ኸይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዚኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ። እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ። ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ። ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ። ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኺመጻረየላ መለሰ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። ኪምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሀቦም ትጽቢት ተስፋ ኺፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡ ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትና፡ ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኺበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧ ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡኤይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፡ ኪቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ኪጸርፉ ኤጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ ኣዝየ ተሀንደድክዎም። በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡ ዎ ንጉስ፡ ቀቲ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ። ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን። ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሀቀኑ። ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን። ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን። ከምዚ ኢሉ ኸመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ ኣሎ፡ በሎ። ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ። ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቚሔይሲ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ፡ ሎሚ ንዚሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ። ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ። ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ የብሉን፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ። ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም። ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ። ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኺበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ኪረክብውን ፈቐደሉ። ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሐለፍና። ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሐሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስክንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና። ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ አጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሐለፍና። ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሐለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሀል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ። በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም። በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚበዝሑ ኻብኡ ኺነቕሉ እሞ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዚርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ኪኸርሙ መኸሩ። ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሐለፉ። ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ። ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሐደግናያ። ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሀል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና። ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ በት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሐደግዋ። ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ አእዳዎም ደርበይዎ። ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና። ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሀድኡ እልምነኩም ኣሎኹ። በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ። በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ። ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም። ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና። ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ። እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ኪሀድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዜውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሐደግዋ። ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸቤኹም ገለ ኸይጠዐምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡ እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም። እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ። ኲላቶም ከኣ ሀድኡ እንጌራውን በልዑ። ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና። በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ። ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ደለዩ። ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሐሚሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ተማኸሩ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓሚሶም ዚኽእሉ ድማቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፡ ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ። ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሀል ፈለጥና። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉን። ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ። እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሐነስ፡ እቲ ሕነ ዚፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ኪነብር ኣይሐደጎን፡ ተባሃሀሉ። ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን። ንሳቶም ከኣ፡ ኪሐብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኺወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ። ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዚብሀል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣኣንገደና። ኰነ ድማ፡ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሐሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ። ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዜድልየና ዘበለ ኣስነቑና። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ። ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደለዩ። ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ በልኩ። እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። ንሓድሕዶም ምልጋብ ስሊኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ ብእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ። ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ ብእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ። ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም። እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸቡ ወጹ። ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ። ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ ኣቐዲኡ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ ብዛዕባ ወዱ፡ ብሳ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሀሉኹም። እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሀድ እዩ። ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብእቱ ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዝየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ ምሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዚገብርዋ ጥራይ ኣይኰኑን። ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ ኣሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነትን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሊንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሀልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ ግዝረትሲ። ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን። እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧ ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ። ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኾብ። እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ዓ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ። ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧ እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧ ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን። ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን። ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ። ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእንበት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና። እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ እያ። እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣስራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሀበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብሁል ድምእ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ። እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሀልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶምስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። ጽላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና፡ ካብ ተዐረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዐዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበጻ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በትቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በትቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዐዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዐዘዘ። ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ። እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ። እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሀብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሀብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን በዛራርባ ሰብ እትዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ። ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧ ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዐዪ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብትእዛዝ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። ሓጢኣት ምኽንያት ረኺበ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ። ሓጢኣት ምኽንያት ረኺበ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ። እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣሎኹ። ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ። እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣት ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላል ጽድቂ ህይወት እዩ። ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉስ ኣምላኽ እዮም። ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉስ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኸወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና። ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና። ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና። ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ። ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን። ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመት ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እዩ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን። ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡ ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዜልን ዚጐይን ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡ እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ። ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ። ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም፡ ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡ ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ። ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ። እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣየጽሑን። ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ። ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ። ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዚመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡ እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፡ ወይስ፡ናብ መዓሙቝኢሲ መን ኪወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎምኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧ ግናከ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል ኣሎኹ ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል ኣሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዜብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል። እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርብይዎም እዩ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ። ኣምላኽ ነቲ ቐደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ኣምላኽ ነቲ ቐደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓት ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣሎኹ። እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ ኣሎ። ብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምብኣርስ ካብ ግብሪ ኣይኰነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ኻብ ዚኸውን ግና፡ ደጊም ጸጋ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ። እምብኣርሲ እንታይ ደኣ እዩ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። እምብኣርሲ እንታይ ደኣ እዩ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም ንመፈንጠራን መድፈናን ንመዓንቀፍን መስጣን ይዀኖም፡ ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጐብጥ፡ ይብል እዩ። እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ምእንቲ ኺወድቁ ድዮም እተዐንቀፉ ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ኬቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም። እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጒዳሎምውን ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኰኑ ግና፡ ምልኣቶ ደኣ ኽንደይ ኪበልጽ እዩ። ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእክዎም ካባታቶምውን ገለ እንተ ኣድሐንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ። ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእክዎም ካባታቶምውን ገለ እንተ ኣድሐንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ። እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኰነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምዉታት፡ እንታይ ካልእ ኪኸውን ኢሉ እቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፡ እቲ ብሑቚ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨንፈሩውን ቅዱስ እዩ። ካብቶም ጨናፍር ሓያሎ እንተ ተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተ ዀንካ፡ ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተ ተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ጾርይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱርሲ ንስኻ ኣይኰንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። ምናልባሽ ንስኻ፡ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዐበ። ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎም፡ ንኣኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተ ጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቊረጽ ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ኸም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪትከሉ እዮም። ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ኸመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈቱን እየ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ። ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም። ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም። ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ ኲሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን። እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሀብ፡ መራሒ እንተ ኸይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዐገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እምኦ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። ኣዚ ብምጋካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር። ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዐል ትምኒት ኣይትግበርዎ። ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዐቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ ኣሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ንእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀሪ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሀየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሀሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን። እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸትኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸትኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም። ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብል። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምጺ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። ግናከ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። ግናከ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሀንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ። ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሀንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር ኣሎኸ። ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎም፡ ዚግባእ እዩ። እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዐርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዐርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዐርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ። ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግኖም ዘሎኹ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዐርት ማርያም ሰላም በሉ። ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሎስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላ ይብላኹም ኣለዋ። ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ። ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ። ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ኣነ ጠርጥዮስ፡ ንዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ። ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡ ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡ ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡ ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡ ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ። እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠምቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዩስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠምቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዩስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ። እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ክጥምቕሲ ኣይለኣኸንን። ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስ ትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስ ትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ። ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ። ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹ። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስኽር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስኽር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹባት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹባት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም። ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን። ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን። ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን። ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ። ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ። ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሀሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ። ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሀብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም። ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለም ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዐርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ ብገዛእ ኣእዳውና እናዐየና ድማ ንጽዕር ኣኦና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና። ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን። ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን። ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ። ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ። መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧ ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ። ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን። ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ። ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ። እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ። ንዘይተመርዐዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዐዉ። ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዐደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ ኣሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዉዓሉ ጽዉዓ ይነብር ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኸነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብሳ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዩ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዐወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸ ኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሀባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ። ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሀንጽ። ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሀሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸም ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀሪ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኩም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ። ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። ምምጽራየይ ነቶም ዚምርምሩኒ እዚ እዩ፡ ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሐድግ መሰል ዜብልና፧ ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኸሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዚብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሐልዩ እዩ፧ ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዐጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዐዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ኪዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሐፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ ሙማት ምሔሸኒ ነይሩ። ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ። ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። እቶም ሕጊ ዜብሎም ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ። ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ ኣይፋልሪ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ ኣሎኹ። ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሀርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሃደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሃደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንኣደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። መለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሀቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሀቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሀቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሀቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኣሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ ፧ ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ። ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ ነተን ዚዐብያ ውህበታት ደኣ ጽዐቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ። ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዐር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ። ንፍቕሪ ስዐብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሀንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሀንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሀንጽ። ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ። ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሀንጸን። ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገብር። ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። ኲላቶም ምእንቲ ኺምሀሩ ዂላቶምውን ኪምዐዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምህራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧ ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ኺልላማጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ። ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን። ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝምጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓሪ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ። ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘን እቲ ኹሉ ንእኡ ዝግብኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ። እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ። ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይሁ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሱ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዕሪ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ። ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ። ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ። ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ። ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ። ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር። ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም። እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዋስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዂላቶም ቅዱሳን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኲሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዂላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንሰቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀኩም ፈሊጥኩም፡ ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሓብኣልኩም ኣይነቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና። ንስኻትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም። ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባኻትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስኻትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስኻትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተኣሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። እምብኣርሲ እዚ ምስ ሐሰብኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ እወ፡ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ዝመኸሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብእሪ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሀበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ። ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሀበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ። ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ኽንሕፈኩም ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ ኣሎኹ። ብእምነት ቌምኩም ኣሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጒይተት ኣይኰንናን። ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ። ማለት፡ ኣነ እንተ ኣጒሄኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሀየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዜሐጒሰኒ፧ ሓጐሰይ ሓጐስ ኲላትኩም ከም ዝዀነ ብዂላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዚግብኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጽሐፍኩልኩም። እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእኝቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጒህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን። ሓደ ሰብ ዘጒሀየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዂላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዘጒሀየ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ። ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ። ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፊቱለይ ከሎስ፡ ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኲሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኲሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። ማለት፡ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፧ ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን። ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቊብ ንጅምር ኣሎና፧ ወይስ ከምቶ ም ገሊኦምዶ እተማዕቊበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እሮኣ፧ ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኲሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስኻትኩም ኢኹም። ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ኻብ መጸትሲ፡ ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧ እታ ኣገልግሎት ኲነኔ ኻብ እትኸብር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዐዝዝ፧ እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን። እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን። እምብኣርስ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣይተቐልዐሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ። ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና። እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዮም እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ። ማለት፡ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰነናን እንሰብኽ ዘሎና። እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ። ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። ብዂሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጒ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኲሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና። ምለት፡ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዂሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዐዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዐዪ ኣላ። ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኸዕዝዝ፡ ኲሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ። እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚረኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና። እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቊር ኣሎና። ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሀበና፡ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ዂሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰነናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ዂሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰነናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሀድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሀድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣሎና። እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም ኣሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሀድናውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኺህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቊበኩም ኣይኰንናን። እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና። እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዂላቶም ሞተ። ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኲሉ ሓድሽ ኰይኑ። እዚ ዂሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዐርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሀበና ኣምላኽ እዩ። ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና። ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና። ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ። ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ ከም ጒሁያት፡ ግናኸ ኲሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኲሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንረኤ ኣሎና። ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ። ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡ ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ። ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ንጽድቅን ሓጢኣትን ኣንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዂሉ ዚከኣሎ ጐይታ። እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወንስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዂሉ ርእስና ነንጽህ። ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዐመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ ኣሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንበይንኹም ኣይኰንኩን። ኣባኻትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣሎኒ፡ ትምክሕተይ ብኣኻትኩም ዓብዪ እዩ። ብምጽንናዕ መሊኤ ኣሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዂሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ። ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዂሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና። ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልና፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድም እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝይላ እተሐጐስኩ። በታ ደብዳበይ ኣጒህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዐስን እየ። እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጒሀየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ ካባና ገለ ጒድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጒሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጒሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጒሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዐሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጒሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዝየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዂሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም። እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሀድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ። ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዂላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና። ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዂሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕትና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን። ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎ፡ ምእዛዝ ኲላትኩም እናዘከረ፡ ልቡ ኣዝዩ ናባኻትኩም ኣቕሊቡ ኣሎ። ብዂሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጉስ እየ። ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባኻትኩምውን ኪፍጸም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። ግናኸ ብዂሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዐዘዝኩምጅ፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። ፍቓድ ልቢ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን። ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ምስኡውን ነቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓው ሰዲድና ኣሎና። እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና። ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ ብዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና። ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባኻትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም። ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ። ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ። ትምክሕትና ብኣኻትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣሎኹ። እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡ ንስኻትኩም ከይንብልሲ፡ ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣኽክዎም። እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኹምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ። ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ። ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡ ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራን ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቅኹምውን ኬብቊሎን እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ብዂሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዐዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም። እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡ ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ስለቲ ንኣታቶምን ንዂሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም። ንሳቶምውን ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም። ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሐቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም ኣሎኹ፡ ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳኻትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ። ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዂሉ ኽንቀጽዖ ተዳሊና ኣሎና። ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ የስተብህል። በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሀበናስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ። ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎን ኣብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ። ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱ፡ ርእስና ኽንቈጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኸ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን። ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና። ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባኻትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና። ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዐበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዐቢ ተስፋና እዩ። ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ። እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ። ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዐገሱኒ ደኣ። ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። ግናኸ ከምቲ ተመን ብጒርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣሎኹ። ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጸኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም። ኣነ ኻብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን። ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዂሉን ኣብ ኲሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና። ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራር ዝበዝበዝክወን። ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዂሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ። ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን። ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ። ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንት ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ። ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኸ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ። ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ። ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣሎኹ። ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሐጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም፡ ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም። ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል ኣሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ኻልእ ዚደፍረሉ፡ ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፡ ኣነውን እደፍር እየ። እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ። ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቚርን ብዕርቃንን ነይረ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዂሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባህ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንዂላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧ ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ። እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐልዋ፡ እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ። ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ። ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ። ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዂሉ ትዕግስቲ ተገብረ። ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፧ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ። እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ። ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጒዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍስኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኲሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ። እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን። ነቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣስኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧ ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ኻብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኲሉ ንምህናጽኩም እዩ። ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኲራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዂሽዂ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጒሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ። እዚ ምምጽኤይ ናባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም። ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ። ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ። ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና። ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኩም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም። ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽትፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰንናን። ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይከኣለናን እዩ። ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ ኣሎና። ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሀበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኩም ኣለዉ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡ ኲላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን። ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ። ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፧ ወይስ ንሰብ ከሐጒስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፧ ገና ንሰብ ኸሐጒስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ። እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። ቀደም ብኣይ ዑድነት ክነብር ከሎኸስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ። ካብ ሃዋርያት ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኩን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ። ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ። እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ። እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ። ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና። ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ። እቲ ምድያበይ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም። ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮም። እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኸገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ። እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን። እቶም ርኡያት መሰልቲ፡ ኣምላኽሲ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየድሉን እዩ እሞ፡ ከመይ ዝበሉ ኸም ዝዀኑ ግዶም የብለይን፡ እቶም ርኡያት መሰልትስ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን። እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያት ኣብ ግዙራት ዝዐየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዐየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂቡኒ ምስ ረኣዩ፡ እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያት ኣብ ግዙራት ዝዐየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዐየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂቡኒ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ እቲ እተዋህበኒ ጸጋ ምስ ፈለጡ፡ ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት፡ ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሀቡና። ነቶም ድኻታት ጥራይ ክንዝክሮም ደለዩ፡ እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ። ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ። ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝናኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም ኣሎኻ፧ ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን። ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኲሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና። ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኤርኢ ኣሎኹ። ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ። ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዐዘመኩም፧ ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣሎኹ፡ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፧ ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፧ ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፧ ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፧ እምብኣርከ እቶም እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከምዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዂሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። ግናከ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ። ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዚገብሮ ብህይወት ኪነብረሉ እዩ። ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና። ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና። ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን። እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሀል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን ኣዩ። እምብኣርሲ እዚ እብል ኣሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኺገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ። እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዚኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሀቦ። እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ። ማእክላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ። እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ኪገብር ዚከኣሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ። እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሀብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዐጸዎ። እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሀድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዐጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና። ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን። ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኲላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም። ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቚልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና። ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ። ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቚልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮት ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም። ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን። ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዐቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን። ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሀብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምበርኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧ እምኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ኾይነኩም እየ። ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኽልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰኑን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ። ግናኸ ምሳኻትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኲሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ። ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ። ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኸም፧ እስኪ ንገሩኒ። ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ። ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ። እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኸዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ። ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል። እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ። ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን። ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዕት ባርነት ኣይትቈረኑ። እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግብኦ፡ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም። ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ። ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። ሒደት ማይ ብሑቚ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ የብኲዖ እዩ። ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ ኣሎኸ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዲ ኺጸውር እዩ። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። ኣየ፡ እቶም ዜዕልውኹም ኰታ እንተ ዚቚረጹ። ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ። ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ። ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር። ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ። እቶም ንሰብ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብሉኹም ዘለዉ። ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ። ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ። ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ። ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ። ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ። ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ። ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ። ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዂሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዂሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም። ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣነ ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዂሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡ ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም ኤመስግን ኣሎኹ። ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺሀበኩም፡ እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዂሉ ኣብ ኲሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ። ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኸም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኸም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋ፡ በታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሀልኩም፡ ዘክሩ። በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም፡ ዘክሩ። ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም። ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይኸነልኩም እዩ። ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡ ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ። ንኣይ፡ ካብ ኲሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። እቲ ኣብቲ ዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዂሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡ ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡ ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታውን ብእኡ ኣሎና። ስለዚ፡ ክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኸም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። ብመንፈስ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኲሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኲሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ ኣሎኹ። ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖም እንሐስቦን ዘለና እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኸኣሎ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዂሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዂሉን ብዂሉን ኣብ ኲሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዂኡን ንሱ እዩ። ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ፡ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቚ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዂሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዂሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዂሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብምጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ። እምብኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳባት ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ። ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦም ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ። ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሀርኩምዎን። እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዂራኩም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ። እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ። ብዘሎ መሪርን ነድርን ኲራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኲሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና ነጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኲሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስስዑ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቊጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሀሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናከ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኲሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሀድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሀልካ እዩ፡ ይብል። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ዂሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኲሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዂኩ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ። ሰብኡትውን ከምእሪ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮ ኬፍቅርወን ይብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩምሲ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም። ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን። ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ። ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቕዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኲሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዂሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዂሉ ጸሎትን ልማኖን ኲሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብዂሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዂሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሀበኒ፡ ብዛዕባኡ ብመቚሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸይኑ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ። ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልን፡ ኲሉ ኺነግረኩም እዩ። ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ኪጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን። ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዂሎም ጸጋ ይኹን። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኲሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዂላትኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኲሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዂላትኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡ እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኲላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዂላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ። ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዂላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ። ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ። ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኲላቶም ካልኦትን ተገልጸ። ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እንታይ ደኣ እዩ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይነ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እየ። ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይነ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እየ። እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ ኣሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ ኣሎኒ። ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ። ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኹም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዐዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐሰን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኲላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልት ኣሎኹ። ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኹም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዐዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐሰን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኲላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልት ኣሎኹ። ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን። ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን። እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግብ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂቡኩም ዘሎ። እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግብ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂቡኩም ዘሎ። እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እብኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዂሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዂሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኲሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዂሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዂሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኲሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዂሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዂሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኲሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዐርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዂሉ ብዘይምጒርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዐርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዂሉ ብዘይምጒርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዐርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዂሉ ብዘይምጒርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኲላትኩምውን እሕጐስ ኣሎኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ። ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲበ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኹም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲበ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኹም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ኲላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኽሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን ኣሎኹ። ንኤጵፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምን፡ ኣነ ብዝደሌዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዂላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሀየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። ንኤጵፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምን፡ ኣነ ብዝደሌዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዂላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሀየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ ንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልል፡ ቀልጢፈ ሰደድክዎ። ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ፡ ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዂሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም። ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ፡ ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዂሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም። ብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፍ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ። ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቊርራጽ ተጠንቀቑ። ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዚእመኑሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ ኣሎኒ። ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ ብቕንኣት ስጓጒ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ። እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዂሉ እተወጻዕኩ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዂሉ እተወጻዕኩ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ ኣሎኹ። ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ ኣሎኹ። ኣነ ነቲ ንእኡ ክኽውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ ኣሎኹ። እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዂልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ። እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ። ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ። ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልክኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና። ንሱ በቲ ንዂሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ። እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ። ሓሳበን ንጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። እወ፡ እታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን። ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም። ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኲሉን ብዂሉን ልሙድ እዩ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዂሉ እኽእሎ እየ። ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም። ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ንውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሐበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ። ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። ሕጂ ግና ኲሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉውን ኣሎኒ። እቲ ኻባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጒስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ ኣሎኹ። ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ። ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለም ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ኲሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ነቶም ኣብ ቈሌሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዂሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኲሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና። እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዂሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኲሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና። ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡ ናባኹም ዝመጸ ኣብ ኲላ ዓለምውን እናፈረየን እናዐበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ከምቲ ኻብ ኤጵፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሀርኩምዎ፡ ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ። ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በታ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ ኣሎና። ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሉ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ ነቲ ናይ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡ ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዂሪ ዂሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጒይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኲሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፡ ኲሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዂሉ እዩ፡ ኲሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ። ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዂሪ እዩ። ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፡ ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለን ዂሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡ ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም። ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም። ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣሎኹ። ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኲሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ። ማለት፡ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። ንሕና ድማ፡ ንዂሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቚሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዂሉ ሰብ እናመዐድና፡ ንዂሉ ሰብውን እናመሀርና ንነግር ኣሎና። ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣሎኹ። ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ብፍቕርን ብዂሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ንሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ። ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩ ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ ኣሎኹ። ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሀርክምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ። ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። ኣብኡ ብዘሎ ምሉኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡ ንሱ ርእሲ ዂሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም። ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም። ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም። እዚ ነቲ ዝመጽእ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ። ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዐብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዂሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ እዚ ብትሕት ሓሳብን ብምሕጻም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ድማ፡ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኲሉን ኣብ ኲሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጸወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማሰውቲ ኹኑ። ብመዝሙር ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዐዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዂሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዂሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዂሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዐርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናገራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቲ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። ነቲ ዓስቲ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዐመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዐመጾ ኺፍደ እዩ። ኣድልዎ ገጽውን የብሉን። ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም። ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲሩ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራብ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲሩ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራብ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። ጊዜ እናዐደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዂሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን። ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ። ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዂሉ ኺነግሩኹም እዮም። እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። ዮስጦስ ዚብሀል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዂሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኲሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ንሱ ምእንታኹምን ንእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ ኣሎኹ። ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ። ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ። እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትንኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዂሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትንኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዂሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡ ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና፡ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጻኩምን። ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም። ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም። እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ። ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም። ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኣሎኹም። ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና። እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰነናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡ እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰነናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብቓል ቅብጥር ወይስ እናኣማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምን፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ። ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚከኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን። ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምቲ ውሉድ እትሐቊፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና። ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልና፡ ለይትን መዓልትን እናዐየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም። ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም። ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቚዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና። ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቚዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና። ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ዚዐዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም። ንጐይታና የሱስ ንነብያት ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዂሉ ሰብውን ይጻረርዎ ኣለዉ። ከምዚ ዂሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ። ንጐይታና የሱስ ንነብያት ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዂሉ ሰብውን ይጻረርዎ ኣለዉ። ከምዚ ዂሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ። ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ጊዜ ኻባኻትኩም እተፈሌና፡ ገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሀዊኽና ኣሎና። ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሌና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዐገተና። ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና፡ ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና፡ ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ ስለዚ ኻብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና። በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ። በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ። እምብኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ። ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ። ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባይ መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡ ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኲሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና። ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር ኣሎና። ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ። ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ። ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስ መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ። በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን። በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዂሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዂሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዂላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ዘሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። ከምቲ ዝአዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። ከምቲ ዝአዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝየንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ስደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሙቱውን ቅድም ኪትንስኡ፡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ኽለዐል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዝሕህዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም። ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ። እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድንሓንውን ከም ቊራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲድና ንጠንቀቕ። ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቚጥዓስ ኣይመደብናን። ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ። ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹም ዚምዕድኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም ኣሎና። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዂላቶም ተዐገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኲሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ። ኲሉ ሳዕ ተሓጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ህኲሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዐቑ። ንዂሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዂሉ ርሐቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንኸለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ። እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ። ንዂላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም። ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ዝለ ዝዐበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኲላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዐዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። እምበኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዂሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና። ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘሎን ምሳና ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘሎን ምሳና ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝእመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሕሕቖም ኪቕጽዑ እዮም። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝእመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሕሕቖም ኪቕጽዑ እዮም። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኲሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጸም፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኲሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጸም፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና። ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም ኣሎና። ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም ኣሎና። ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሀል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ትፍኣት፡ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኾነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሀል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ትፍኣት፡ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኾነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኩኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኣሎኹም። ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዚጽረግ ድሮ እኳ ይዐዪ ኣሎ እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ። እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዂሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዂሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዂሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዂሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚበሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዂሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚበሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዂሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም። ግናኸ ኣቱም ብጐይታ ፍቑራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም። ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሀርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ። ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን። ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ። እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና። ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና። ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡ ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ። እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን። እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ ናይ ጢምቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦኣን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቚጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዐድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ። እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቚጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዐድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ። እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ። ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡ ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዮ። ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ነመናዝር፡ ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ። ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሀበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጒን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዐዘዘ። ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዂሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን። ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለልካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቊበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ፡ ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለልካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቊበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ፡ ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም። እምብኣርከ ስለ ዂሉ ሰብ፡ ብዂሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዂሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዂሉ እምዕድ ኣሎኹ። እምብኣርከ ስለ ዂሉ ሰብ፡ ብዂሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዂሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዂሉ እምዕድ ኣሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፡ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዂሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኲራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ኺጽልዩ፡ እደሊ ኣሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቚ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቚ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። ሰበይቲ ብዂሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሀር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ። እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ይግብኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይበኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዂሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዂሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶማብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርምሩ፡ መንቕብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዂሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቖም ዜስተናብሩ ይኹኑ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቖም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ ኣሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዐረገ። በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ ኣለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዐብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዂሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። በቲ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና። እዚ ኣዝዝን ምሀርን። ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነቲ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኲሉ ምእንቲ ኺግልጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ። ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዐዶ እምበር፡ ኣይዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዐዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዂሉ ንጽህና ምዐደን። ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን። ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ። እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወት ኸላስ ምውቲ እያ። ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪዀኑስ፡ እዚ ድማ ኣዝዝ። ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሀወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዐበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሀወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዐበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዐልን፡ ኪምርዐዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን። ንሳተን፡ ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። ኣብ ልዕልዚውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን። እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዐዋ፡ ውሉድ ኪወልዳ፡ ቤተን ኪሕዛ፡ ጸላኢ ዚጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ ኣሎኹ። ገሊኤንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን ኣለዋ። ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፡ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፡ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ግንሓዮም። ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እኳ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ። ደጊም ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ። ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ። ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ኪስወር ኣይከኣሎን እዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዂሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዚግብኦም ይቚጸርዎም። እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለውዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዐቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዚጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምዃኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሀርን ምዐድን። ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሀረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስን በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፋሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዚመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም። ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፋሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዚመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም። ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይኣክለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጒድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኲሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ስዐብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ። ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዂሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእማን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ ኣሎኹ። ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዂሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእማን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ ኣሎኹ። ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውትን፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኸእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዂሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪኸኑ፡ ናይ ብሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም። ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን። ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡ ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን። እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ። ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱሩ ኣይትሕፈር። ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዐሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብን ክኸውን ተሸምኩ። ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላው ኸም ዚከኣሎ ተረዲኤዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሕፍርን እየ። ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ። ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ። እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ። ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ። ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሀቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም። ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። እግዚኣብሄር ብዂሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ። ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ኻብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቐጺረ ኽሳዕ መቚሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዂሉ እዕገስ ኣሎኹ። እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። እንተ ተዐገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ። ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር። ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር። ነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡ እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ኢሌጦስን ካባታቶም እዮም። ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕዲ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ። ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ። ካብ ትምኒት ጒብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዐብ። ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። ባርያ እግዚኣብሄር ንዂሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሀቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘይማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ብጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዂሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም። ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ። ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኲሉ ኣድሐነኒ። ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዂሎም ኪስጐጉ እዮም። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ። ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማጥያ ኸዱ። ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ። ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ። ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጽሓፍትን ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ። ኣብቲ ቐዳማይ ምጒተይ፡ ኣይትሐዘሎም፡ ኲላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኲሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቑመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎርስን ሰላም በለለይ። ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ ኣሎኹ። ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውዳውያን ኲላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡ በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡ ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትርስዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኸምዕድ፡ ነቶም ተቓናቓንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከኣሎ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ። ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሀሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባበጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ። ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኲሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሀካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ። እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም። እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም። ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርዂሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን። ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን። ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን። ነጒባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዐዶም። ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ኽፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር። ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ኽፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር። ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብኸሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዂሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዐዶም። ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብኸሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዂሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዐዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዂሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዂሉ ስልጣን ንገርን ንዐድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዐቕካ። ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዂሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፋናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። ናይ ዕሽነት ክርክርን ቊጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫው ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ። ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ። ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም። እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሀሩ። ምሳይ ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና። ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡ ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣሎኹ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐውሔይ ኰይኑ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔሲሞስ እልምነካ ኣሎኹ። ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ ኣሎኹ። ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ። ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ። ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን። እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን። ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን። እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዐድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቊጸሮ። ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎ፡ ርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ኸይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ። እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ። ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ። ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሀበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ። ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡ ከምኡውን እቶም መዓይይተይ፡ ማርቆስ፡ ኣርስጢርኮስ፡ ዴማስ፡ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸል እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ፡ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዂሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፡ ኲላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ፡ ይብል። ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል። ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣታ ኣምላኸይ። ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ ጽድቂ ፈቶካ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል። ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል። እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ ኲሎምዶ፡ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኲሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡ ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቚ ይከኣለና ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቚ ይከኣለና ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ ኣሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ኽትኣልዮ፡ እንታይ እዩ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግብርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ። ንዂሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዂሉ ኼግዝአሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን። ግናኸ ኲሉ ኸም ዚግዝኦ፡ ንሕና ገና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና። ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዂሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣሎና። እቲ ዂሉ ምእንታኡ ዂሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽም ተገብኦ። ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኲላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ። ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኲላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ። ደጊም ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ እሞ፡ ከም ብሓድሽውን፡ እኔኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሀበኒ ውሉድን፡ ይብል። እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። ከምቲ እቲ ስራሕ ቤት ካብቲ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ። ቤት ዘበለትሲ ስራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዂሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ። ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ነበረ፡ ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና። ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዐዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኸሉ እሞ፡ ኲሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ። ብቚጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና። ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡ ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዂላቶም ደይኰኑን ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፡ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና። እምኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቕሞምን። ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቚጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎም ብምባሉ ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል። ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጒዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዂሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ። ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኸስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም፡ ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቚርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡ ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ። ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል። ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም። ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዂሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዐሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዐሙ፡ እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግህዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሀበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። እሾዂን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን ኣሎና። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን ኣሎና። ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ ኣሎና። ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ ኣሎና። ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካን፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካን፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ። ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸብዩ ነታ ተስፋ ረኸባ። ሰባት በቲ ኻልኦም ዚዐቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዂሉ ምጒቶም ይውድኣሎም እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሀዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተኣትወና ተስፋ ኣላትና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተኣትወና ተስፋ ኣላትና። እዚ መልክጼዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ ኣብርሃም ድማ ካብ ኲሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጒም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቊጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሀቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቲ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም። እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዐብዮ ይምረቕ እዩ። ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሀበ፡ ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ። እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሀል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፡ ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ። እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን። ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን። ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን። እቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሐይሽ ተስፋ ኣተወት። እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡ እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡ ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነ። እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ። ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈለየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም። ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና። ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና። ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ብግዲ እዩ። እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ፡ እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎታን ዜገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ኪገብር ኪደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኲሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኤኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሐይሽ ተስፋ እተስረተ፡ ዚበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መነቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይኪምህርን እዩ። ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይኪምህርን እዩ። ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ። ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄር ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሀል ነበረት። ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዂሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ። እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኲሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ኬብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ ኣሎ። ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ኪገብሮ ዘይከኣሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ምስ መባልዕን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ። ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉስን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዂስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝኸነ። ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን። ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዂሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኲሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ። እምብኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረል ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይኣተወን። ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ። ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ። ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመት ኲሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ ብዚሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዚሐርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ኣይደሌኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ኬጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዐሮ። በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና። ካህን ዘበለ ዂሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቖ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እየ፡ ይብል። እምብኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዚህልወናስ፡ ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኸም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ። ኣኼባና ኣይንሕደግ። ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸርፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕጊ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ። ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ኸነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዐገስኩም። እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጒን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን። እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእአ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገለ ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዐዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ፡ ኣይተረኽበን። ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእአ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ኸነ። ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሀባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቚጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኲላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊዉሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሀል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በቱ ተመርኲሱ ኸኣ ሰገደ። ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሀበ። ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዂራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዂሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዐሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸዉ፡ ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ምሕረት ኣይደለዩን። ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቚሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኲላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኲላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን። ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣኽል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዂሉ ዚኸብደና ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጒየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ። ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። ቅጽዓት እንተ ተዐገሰኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ ብዘይ እታ ዂሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜእሪ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ። ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን። ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቚሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። ክላምጥሕ ንሓደ ብልዒ ብዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከዮስ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይተኻእሎምን። ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢት ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ። ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብቲ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዂሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዂራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኲሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማት ጻድቃንን፡ ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም። እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ኺዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዝየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ። እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልከት ዘላ። ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን። ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን። ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኲሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኩም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። ኣምማእኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ። ብዂሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና። ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ። ንዂላቶም መራሕትኹምን ንዂላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። ያእቆብ ናብ ኣምላኽን ናብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ። ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዂሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዂሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዂሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዂሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ልጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ፡ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዂሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኲራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኲራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ። ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጒም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እንተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዂሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እተቐትልስ መፍረስ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብርሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ። ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። ኲላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚኸኣሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም ኣሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ። እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኸንሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዚቃንዓ። ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ኲሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን ኣሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፡ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልል ኣይከኣላን እዩ። ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኲሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኲሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ። እቲ ኣብ ማእከልኩ ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም። ኣትን ዘመውት፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምብኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእድውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጒሀዩን ብኸዩን። ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርዱ ግና፡ ፍራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድካ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ ኣሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዂሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምብኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ። ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፡ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ ኣኪብኩም ኣሎኹም። እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኺም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጸባኦት በጺሑ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም። ፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ። እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ፡ እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽባሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ። ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ ኣሎ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዂሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ። ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር። ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብሪ ብዙሕ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበል፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ። ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝ ብደም የሱስ ክርስቶስ ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ። እቲ፡ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ፡ እቲ፡ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም ኣሎኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስን ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዂላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ኸቢሩ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጒሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስን ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዂላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ኸቢሩ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጒሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስን በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘምን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም። ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ ኲሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ። እምብኣርሲ ንዂሉ ኽፍኣትን ኲሉ ጒርሕን ግብዝናን ቅንእን ኲሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሀነጹ። ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም። ኣቱም ፍቁራተየ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ። ንዂሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዘዝዎም። ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩምከ፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኸበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገረ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፋራርሄ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቚስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም። ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ። መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኲላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገብረኩም፧ ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኲሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ። ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ። ግናኸ መወዳእታ ዂሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዂሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር። እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧ ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ። እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓውና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኲላትኩም ሰላም ይሀሉኹም። ኣሜን። ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላምን ይብዛሕ። እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኲሉ ኻብ ዚህበና፡ ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዂሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኹም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያት ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እየ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኸምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሃኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ። ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ዂሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸምዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸምዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኲሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ። ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግህ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። ኲሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዂሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን። ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም ፍርዶም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ። ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቚሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡ ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ኻብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዚመጹ በደልኛታት መሰኽሒ ገይርውን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሐመዂስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡ ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነበር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተነ ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጒይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡ መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ዓስቢ ዓመጻኦምውን ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎ። ርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ ኣለዉ። ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወን፡ ስስዔ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ። ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተት። ንሳቶም ማይ ዜብሉ ዒላታትን ማይ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪቡሎም ኣሎ። ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ፡ እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮስ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም ኣለዉ። ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱድ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቲ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ። ኣቱም ፍቁራተይ፡እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ ኣሎኹ። ኣቱም ፍቁራተይ፡እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ ኣሎኹ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዀሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዂሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም። ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ። ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። ጐይታስ፡ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጒዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቊጸርዎ። ንሱ ኣብ ኲላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቚርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ ኣለዉ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም ኣናፈለጥኩምሲ፡ በስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ። ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን። ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኸ። ሓደ እኳ ሓጢእት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኲላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከምቲ ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ ኣሎ። ኣብ ብርሃን ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓው ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ፡ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኲላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀዱ እዮም ዝወጹ። ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንዂሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዎስ ኣይኰንኩን፡ ኲሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዂሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ ነቲ ኣቦ ኣለዎ። ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዂሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዂሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ። ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዂሉ፡ ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝኸነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዂሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብርውን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዂሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፡ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኲሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኲሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብል እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ። ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም ኣሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ ኣለዉ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣት መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን ኣሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ። ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዂሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ። ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዂሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ። እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም። እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጢ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና። ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘይብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ። ዓመጻ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ። እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ። ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዂላቶም ድማ ዜፍቅርዎም፡ ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሐፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይኣመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ። ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ። ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ። ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዂሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣሎኹ። ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ። ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን። ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣሎኻ። እዚኣቶም ብናይ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ። ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ። ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣሎኸ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሉ ድዮት ሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። ስለዚ፡ እንተ መጸእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕኩ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም ኣሎ። ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። ንድሜጥሮስ ኲላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፡ እታ ሓዊ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን። ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን። ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም። ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን፡ ናብቶም ጽዉዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡ ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዂሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጻጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉዂ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ። ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዂሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቚርዎም ኣሎ። ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘሩ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን ኣለዋ። ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጒይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ ኣለዉ። ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነቲ ርእሶም የጥፍእዎ ኣለዉ። ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቚሩሎም ኣሎ። ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዂላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኲላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዂሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዂሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም። ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዂላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኲላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዂሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዂሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም። እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ። ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ። መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኲሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናይ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣናተጸቤኹምሲ፡ ንርእሲኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ። ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም። ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቚመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዂሉ ዘመናትን ሕጅን ንዂሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን። እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርኣዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዂሉ መስኪሩ ኣሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዂሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዂሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን። እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኲለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዐሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን። ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኲሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩም ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ላርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ላርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጒሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እትብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ። ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንደል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን። ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኸ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ ኣሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፡ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፡ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጒዳእን እዩ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጳስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይክሐድካያን። ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለዉኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ። ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ ኣለዉኻ። ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኸበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ። ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። ኣብ ትያቲራ ንዘሎኹም ኲላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓመቚ ሰይጣን፡ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ዘይፈለጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ። ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ ኣሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኲላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎኻ ኣጽኒዕካ ሐዞ። ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እየ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኲሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ። እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካ ነጀው ደይብ፡ በለኒ። ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ስርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ። ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ። ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ኣሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስል። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኲሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለም ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ። እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለም ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ። ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርእሕአኽዎ። ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪራዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን። ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ። ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ። ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ስማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ። ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልእሕአ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፡ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቊጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜ ኣሻሕ እዩ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዂሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጒዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ ኣለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ። ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ካልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ። ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ መጋል ፈርስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጒዳእ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም። ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም። ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኸ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ። ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኲሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጒድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቊጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። እታ ዓባይ መዓልቲ ቊጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧ ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ። ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጒድኡ፡ በለ። ቊጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ። ሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኲሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። እቶም መላእኽቲውን ኲላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። እቶም መላእኽቲውን ኲላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ። ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓት መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም። ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኲሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺውስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጽሎት እቶም ቅዱሳን ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከኣ ዀነ። ነቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ። እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ። እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ። እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ። እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኦ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኡ ሲሶ ጸሓይ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ። ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ሓምሳይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹ፡ መርሖ ዓሚቚ ዔላውን ተዋህቦ። ነቲ ዓሚቚ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ። ካቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጒድኣዮም፡ ተባህለሉ። ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ። ትርኢት እቲ ኣንበሳ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊል ወርቂ ዚመስል ኣለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጒሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጒሪ ድማ ኣለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ ኣለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናይ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን ኣለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን ኣለዎ። ንጉስ ኣለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቚ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል። እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘልዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘልዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ፡ ተፈትሑ። ቊጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቊጽሮም ሰማዕኩ። ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ ኣለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከኣ ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ። ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስውን ኣለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ። እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከኣሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን። ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና ኣሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን። ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ኣላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ። ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ። እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፡ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎ፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡ ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ፡ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኣ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ። ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ፡ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኣ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ ነታ መጽሓፍ ሀበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያ፡ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ። ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒ፡ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ። ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒማ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም። ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን ኣለዎም። ናብ ደም ኪልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን ኣለዎም። ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቚ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ። ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ንመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ። ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ይርእዩ፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም። እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ ነጀው ደይቡ፡ ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ። እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣአልመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቊጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳንን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሎ። እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ፡ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ። ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣሕጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዂሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉድ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክለተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ኣብሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቊጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርአ ኺዋጋእ ከደ። ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ። ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ። ሓደ ኻብቶም ኣራእስውን ንሞት ከም እተወግእሕአ ዀ እሞ እታ ቚስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበርል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናብሉ ሰገዱሉ። ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሕሕ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዂላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ፡ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፉ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቚስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም ኣሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። ንዂላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር ኣሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቊጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቊጽሪ እቲ ኣራዊት ብቚጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቚጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ። እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስእሪ ርኤኹ። ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ምእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን። እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዂራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዂሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቃታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናብ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ። ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቚጥዓ ምንዝርናኣ ንዂሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዐቦ። ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተሙ እንተ ተቐበለ፡ ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቊጥዓኡ ብዘይ ምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ። ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ። ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እሮኦም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ ኣትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺሑ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዐጽደት። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ። ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። እቲ መጽመቚ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቚ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትንእስታድዮስ ዚኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ። ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቚጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ። ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቚጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዂሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ። ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዂሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ። ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቊጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም። እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን። ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቊስሊ ወጾም። እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ህያው ድማ ሞተ። እቲ ሳልሳይውን ጽዋኡ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ። እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም፡ ዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን። እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ። ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቚሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን። እቲ ሳድሳይውን ጽዋኡ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቊርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ። እዚኣቶም፡ ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኲላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም። እቲ ሳብዓይውን ጽዋኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ። በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናብቲ ብርቱዕ ቊጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። ብዘለዋ ደሴታት ሀደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ። ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም፡ እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቚን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገረምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቚ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም። እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኣሎ። እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ። ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኲሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዂሉ ዑፍን ኰይና። ኲሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቚጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኲሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዂሉ ዑፍን ኰይና። ኲሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቚጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣት ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣት ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። ብልባ፡ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ ኣሎ፡ ኪብሉ እዮም። እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን። ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምኒ በረድን፡ ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። እቲ ነፍስኺ ዝነሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኡ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኲሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዂሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኡ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኲሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዂሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኡ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኲሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዂሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላ፧ እናበሉ ጨርሑ። ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኰሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ። ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኲሉ ጥበበኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብጥንቊልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ደም ነብያት ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ። ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዲ ሓቕን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዲ ሓቕን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌልዩ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ። እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኻብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኲሉዂም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ። ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ። ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ። ኣነ ከኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ። ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፡ ብጀካኡስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቊጥዓ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኲልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዂለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን፡ ስጋ ዂሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዂለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን፡ ስጋ ዂሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝገበሩ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኲለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ። መርሖ መዓሙቚን ሓደ ገዚፍ መቚሕን ኣብ ኢድ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ኦኣመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቚ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተምውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቊጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን ኣቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዂሉ እሕድሶ ኣሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፋናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ከርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናን ከም ኣዝዩ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዚመስል። ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናን ከም ኣዝዩ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዚመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ ኣለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጽሒፉ ኣሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ ኣሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ ኣለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። ኣቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደሳ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ እቲኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታታ ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ። ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸም ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎን ገጹ ኺርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዚግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ ኣሎ። እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ። ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ። ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጽቡ ብጹኣን እዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም። ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ። እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይብል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ። ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዂሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጒደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኼጒድለሉ እዩ። እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኲላቶም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።