﻿<?xml version="1.0" encoding="UTF-8"?>
<bible translation="Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year" status="Bible Society of Ethiopia" link="https://www.bible.com/bible/2998/EXO.6.ትመ15">
	<testament name="Old">
		<book number="1">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።</verse>
				<verse number="2">ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="12">እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="13">ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም።</verse>
				<verse number="23">ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም።</verse>
				<verse number="30">ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሰማያትን ምድርን እቲ ዅሉ ሰራዊቶምን ተፈፀሙ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን።</verse>
				<verse number="4">በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብወገን ምብራቕ ኣብ ኤደን፥ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ።</verse>
				<verse number="10">ንገነት ዘስቲ ሩባ ኸዓ ኻብ ኤደን ይወፅእ ነበረ። ካብኡ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሩባታት ተመቒሉ ይውሕዝ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ስም እቲ ቐዳማይ ሩባ ፊሶን ይበሃል። ንሱ ኣብ ኵላ ዙርያ እታ ወርቂ ዘለዋ ምድሪ ኤውላጥ ዝኸብብ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ፅሩይ እዩ፤ ኣብኣ ሉልን ክቡር እምንን ይርከብ።</verse>
				<verse number="13">ስም እቲ ኻልኣይ ሩባ ድማ ግዮን ይበሃል። ንሱ እቲ ንዅላ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝኸብብ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ስም እቲ ሳልሳይ ሩባ ኸዓ ጤግሮስ ይበሃል። ንሱ እቲ ብምብራቕ ኣሶር ዝውሕዝ እዩ። እቲ ራብዓይ ሩባ ድማ ኤፍራጥስ ይበሃል።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንሰብ ወሲዱ፥ ምእንቲ ኸልምዓን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ።</verse>
				<verse number="20">ኣዳም ከዓ ንዅሉ እንስሳን፥ ነዕዋፍ ሰማይን፥ ንኣራዊት በረኻን፥ ስም ኣውፅአሎም። ንኣዳም ዝሰማማዕ ሓጋዚ ግና ኣይተረኽበን።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ነታ ኻብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓፅሚ፥ ኣንስተይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብ ኣዳም ኣምፅኣ።</verse>
				<verse number="23">ኣዳም ከዓ “እዚኣ ዓፅሚ ኻብ ኣዕፅምተይ፥ ስጋ ኸዓ ኻብ ስጋይ እያ፤ ካብ ሰብኣይ ተረኺባ እያ እሞ፥ ሰበይቲ ትበሃል” በለ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ይሓድግ፤ ምስ ሰበይቱ ኸዓ ይዋሃድ፤ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ ይኾኑ።</verse>
				<verse number="25">ኣዳምን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራሖም ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።</verse>
				<verse number="3">ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ።</verse>
				<verse number="8">ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ፀዊዑ “ኣበይ ኣለኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="17">ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="18">ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ “እንሆ፥ ኣዳም ፅቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ካባና ኸም ሓደ ኾነ። ሕዚ እውን ኢዱ ኸይዝርግሕ፥ ካብ ኦም ህይወት ድማ ወሲዱ ኸይበልዕሞ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኸይነብር” ኢሉ ኻብ ገነት ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="24">ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።</verse>
				<verse number="2">ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ድማ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="4">ኣቤልውን ካብ በዅራት ኣባጊዑ ሰስቡሖም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ተመልከተ።</verse>
				<verse number="5">ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ኣይተመልከተን። ቃየል ከዓ የመና ጐሃየ፤ ገፁውን ፀለመ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ?</verse>
				<verse number="7">ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን ኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ቃየል ከዓ ንእግዚኣብሄር “ቅፅዓተይ ክፆሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ።</verse>
				<verse number="16">ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="17">ቃየል ድማ ንሰበይቱ ፈለጣሞ ጠነሰት፤ ንሄኖህ ድማ ወለደት። ቃየል ከተማ ኣጣየሸ፤ ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖህ ኢሉ ስም ኣውፅአላ።</verse>
				<verse number="18">ሄኖህ ከዓ ንጋይዳድ ወለደ። ጋይዳድ ድማ ንሜኤል ወለደ። ሜኤል ከዓ ንማቱሳላ ወለደ። ማቱሳላ ድማ ንላሜህ ወለደ።</verse>
				<verse number="19">ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነብሩን ከፍቲ ዘርብሑን ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ዩባል ዝበሃል ሓው ድማ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሴላ ድማ ነሃስን ሓፂንን ቀጥቂጡ ኣቑሑ ንዝሰርሕ ቱባልቃይን ወለደት። ሓፍቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="23">ላሜህ ድማ ነንስቱ ተዛረበን፤ “ዓዳን ሴላን፥ ቃለይ ስምዓ፤ ኣትን ኣንስቲ ላሜህ፥ ዘረባይ ኣዳምፃ፤ ስለ ቝስለይ፥ ሰብኣይ፥ ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ።</verse>
				<verse number="24">ቃየል ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ዝፍደ ኻብ ኮነ፤ ላሜህ ከዓ ሰብዓን ሸውዓተን ዕፅፊ ኽፍደ እዩ” ድማ በለን።</verse>
				<verse number="25">ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።</verse>
				<verse number="26">ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ።</verse>
				<verse number="2">ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩውን ፈጠሮም፤ ባረኾምውን። በታ ዝተፈጠሩላ መዓልቲ ኸዓ ስሞም “ኣዳም” ኢሉ ሰመዮም።</verse>
				<verse number="3">ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ።</verse>
				<verse number="4">ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="5">ኣዳም ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="6">ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ ንሄኖስ ወለደ።</verse>
				<verse number="7">ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ።</verse>
				<verse number="8">ሴት ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="9">ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንቃይናን ወለደ።</verse>
				<verse number="10">ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="11">ሄኖስ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="12">ቃይናን ከዓ ሰብዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንመላልኤል ወለደ።</verse>
				<verse number="13">ቃይናን ንመላልኤል ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ።</verse>
				<verse number="14">ቃይናን ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="15">መላልኤል ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንያሬድ ወለደ።</verse>
				<verse number="16">መላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="17">መላልኤል ዕድሚኡ ሸሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="18">ያሬድ ከዓ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሄኖክ ወለደ።</verse>
				<verse number="19">ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="20">ያሬድ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="21">ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንማቱሳላ ወለደ።</verse>
				<verse number="22">ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ።</verse>
				<verse number="25">ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሸውዓተን ዓመት ምስ ገበረ ንላሜህ ወለደ።</verse>
				<verse number="26">ማቱሳላ ንላሜህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።</verse>
				<verse number="27">ማቱሳላ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="28">ላሜህ ከዓ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ ወዲ ወለደ።</verse>
				<verse number="29">“ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ፥ ካብ ኵሉ ስራሕናን ከቢድ ፃዕርናን ከዕርፈና እዩ” እንትብል ኖህ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="30">ላሜህ ንኖህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።</verse>
				<verse number="31">ላሜህ ዕድሚኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="32">ኖህ ከዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እንሆ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽባዛሕ ምስ ጀመረ፥ ኣጓላት ከዓ ተወለዳሎም።</verse>
				<verse number="2">እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከዓ “ሰብ ስጋ እዩ እሞ፥ መንፈሰይ ንሓዋሩ ኣብኡ ኣይነብርን፤ ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ።</verse>
				<verse number="4">በቲ ዘመን እቱይ፥ ከምኡውን ብድሕሪኡ፥ ኣብ ምድሪ፥ ኔፊልም ዝበሃሉ ሰባት ነበሩ፤ ደቂ እግዚኣብሄር ናብተን ኣጓላት ደቂ ሰብ ኣተዉ፤ ንሳተንውን ወለዳሎም። እዚኣቶም እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዮም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።</verse>
				<verse number="8">ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።</verse>
				<verse number="9">ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ።</verse>
				<verse number="10">ኖህ ሴም፥ ካም፥ ያፌት ዝበሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደ።</verse>
				<verse number="11">ምድሪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ተበላሽያ ነበረት። ምድሪ ኸዓ ብዓመፅ መሊኣ ነበረት።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ረአያ፤ ንሳ ኸዓ ተበላሽያ ነበረት፤ ስጋ ዝለበሰውን ኣካይዳኡ ኣበላሽዩ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻ ግና ብዕንፀይቲ ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፤ ውሽጣን ደገኣን ከዓ ብቕጥራን ለምፃ።</verse>
				<verse number="15">ንውሓታ ሰለስተ ሚእቲ እመት፥ ስፍሓታ ሓምሳ እመት፥ ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ጌርካ ስርሓያ።</verse>
				<verse number="16">ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ። ታሕተዋይን፥ ካልኣይን ሳልሳይን ደብሪ ግበረላ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡር ምእንቲ ኽጠፍእስ፥ እንሆ ኣነ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ ኸምፅእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ኽመውት እዩ።</verse>
				<verse number="18">ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኵሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ከክልተ ናብ መርከብ ኣእቱ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ።</verse>
				<verse number="20">ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቶም፥ ካብ እንስሳ በብዓይነቶም፥ ኣብ ምድሪ ካብ ዝንቀሳቐሱ በብዓይነቶም ጌርካ፥ ካብ ዝኾነ ዓሌት ከክልተ ምሳኻ ናብ መርከብ ይእተዉ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ዝብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ፥ ንኣኻን ንኣኣቶምን ቀለብ ክኸውን ኣእቲኻ ኣብታ መርከብ ኣክቦ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኖህ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥</verse>
				<verse number="3">ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንዘርኢ ክኾኑን ብህይወት ክነብሩን፥ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኖህ ድማ፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ማይ ጥፍኣት ኣብ ምድሪ ኽመፅእ እንተሎ፥ ኖህ ዕድሚኡ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከዓ ምስኡ ኻብ ማይ ጥፍኣት ክድሕኑ ናብ መርከብ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ዘይንፁህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን፥ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝንቀሳቐስ ኵሉን፥</verse>
				<verse number="9">ከምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ከክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ፥ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ መፀ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ኖህ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያት ገንፊሉ ወፀ፤ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፈተ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዘነመ።</verse>
				<verse number="13">በታ መዓልቲ እቲኣ ኖህን፥ ደቁ ሴምን ካምን ያፌትን፥ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ናብ መርከብ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም ኣራዊት በብወገኖምን፥ ኵሎም እንስሳ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐሱ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣዕዋፍ በብወገኖምን፥ ክንፊ ዘለዎ ዅሉን ናብ መርከብ ምስኣቶም ኣተዉ።</verse>
				<verse number="15">ህይወት ካብ ዘለዎ ዅሉ ፍጡር፥ ከክልተ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ስጋ ኻብ ዘለዎ ዅሉ፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። ኖህ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ፥ እግዚኣብሄር ነታ መርከብ ብድሕሪኡ ዓፀዋ።</verse>
				<verse number="17">ማይ ጥፍኣት ድማ ነርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከዓ በዝሐ፤ ነታ መርከብ ድማ ኣልዓላ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ንላዕሊ ፀለል በለት።</verse>
				<verse number="18">እቲ ማይ በርትዐ፤ ኣብ ምድሪ እውን የመና በዝሐ፤ እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ፀለል ትብል ነበረት።</verse>
				<verse number="19">እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እናበርትዐ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነበሩ ዅሎም ነዋሕቲ እምባታት ከዓ ብማይ ተሸፈኑ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ማይ ካብ ጫፍ እምባታት ሸውዓተ ሜትርን ፈረቓን ንላዕሊ ደየበ፤ እቶም እምባታትውን ተሸፈኑ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ዅሉ ስጋ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሉ ሰብን ሞተ።</verse>
				<verse number="22">ኵሉ ኣብ ኣፍንጫኡ እስትንፋስ ህይወት ዝነበሮ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሞተ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ እንተይጐደለ ፀንሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናጐደለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸዓ ጐደለ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት።</verse>
				<verse number="5">እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤</verse>
				<verse number="7">ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪዙይ ድማ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ኾይኑ ኽትርኢ ኢሉ ንርግቢ ሰደዳ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኵላ ምድሪ፥ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፥ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈሉ ኣይረኸበትን። ስለዙይውን ናብኡ ናብ መርከብ ተመለሰት። ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ተቐበላ፤ ናብኡ ናብ መርከብ ከዓ ኣእተዋ።</verse>
				<verse number="10">ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ድማ፥ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ።</verse>
				<verse number="11">ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ እታ ርግቢ ናብ ኖህ ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ልሙዕ ቘፅሊ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነፀፈ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="12">ከምኡውን ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ብድሕሪኡ ግና ናብ ኖህ ኣይተመለሰትን።</verse>
				<verse number="13">ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ዕድመ ኖህ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነፀፈ። ሽዑ ኖህ ክዳን መርከብ ቀሊዑ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ እታ ምድሪ ነፂፋ ነበረት።</verse>
				<verse number="14">ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እታ ምድሪ ፈፂማ ነቐፀት።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ፦</verse>
				<verse number="16">“ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብታ መርከብ ውፁ።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወፁ።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ።</verse>
				<verse number="20">ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።</verse>
				<verse number="22">ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ህይወት ዘለዎ ደምኩም ዘፍሰሰ ኣነ ሕነ ኽፈድዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊትውን ሕነ ኽፈድዮ እየ። ንነፍሲ ሰብ ድማ ኻብ ኢድ ሰብ፥ ካብ ኢድ ሓዉ ሕነ ኽፈድዮ እየ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።</verse>
				<verse number="7">“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከዓ ንኖህን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="9">“እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ምስቲ ዅሉ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍ፥ እንስሳ፥ ኵሉ ኣራዊት በረኻ፥ ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉን፥ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡርን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪ ደጊም ዅሉ ህይወት ዘለዎ ብማይ ጥፍኣት ኣይጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ መሊሱ ኣይመፅእን እዩ። እንሆ ኺዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤</verse>
				<verse number="13">ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደምን እንተለኹ፥ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ኽረአ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ኺዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይኸውንን እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።”</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጡርን ዘቖምክዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ካብ መርከብ ዝወፁ ደቂ ኖህ፥ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ኣቦ ከነዓን እዩ።</verse>
				<verse number="19">እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ።</verse>
				<verse number="20">ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፤ ወይኒ ኸዓ ተኸለ።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፤ ኣብ ማእኸል ድንኳኑ ኸዓ ጥራሑ ወፀ።</verse>
				<verse number="22">ኣቦ ከነዓን ካም ከዓ፥ ዕርቃን ኣቦኡ ሪኡ፥ ናብ ደገ ወፂኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም።</verse>
				<verse number="23">ሴምን ያፌትን ግና፥ ክዳን ወሲዶም ኣብ ማእገሮም ገይሮም ናይ ኣቦኣቶም ዕርቃን ከይሪኡ ገፆም ኣዚሮም ዕርቃን ኣቦኣቶም ከደኑ።</verse>
				<verse number="24">ኖህ ከዓ ኻብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመለሰ፤ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝገበሮውን ፈለጠ።</verse>
				<verse number="25">“ከነዓን ርጉም ይኹን። ነሕዋቱውን ባርያ ይኹን” በለ።</verse>
				<verse number="26">ኣስዒቡውን “ኣምላኽ ሴም፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ።</verse>
				<verse number="28">ኖህ ከዓ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦</verse>
				<verse number="2">ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ።</verse>
				<verse number="4">ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ካብዚኣቶምውን እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ህዝብታት በብቛንቋኣቶም፥ በብዓሌታቶም፥ በብህዝቦም ተኸፋፊሎም በብሃገሮም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ኵሽ፦ ሳባ፥ ኤውላጥ፥ ሰብታ፥ ራዕማ፥ ሳብቃታ። ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን እዮም።</verse>
				<verse number="8">ኵሽ ድማ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱውን ኣብ ምድሪ ሓያል ምዃን ጀመረ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓያል ሃዳናይ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ናምሩድ ሓያል ሃዳናይ ይግበርካ” ዝበሃል።</verse>
				<verse number="10">መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።</verse>
				<verse number="11">ኣሶር ካብታ ሃገር እቲኣ ወፂኡ፥ ንነነዌ፥ ንረሖቦት ከተማ፥ ንካለህ ሰርሐን።</verse>
				<verse number="12">ከምኡውን ነታ ኣብ መንጎ ነነዌን ካለህን እትርከብ ዓባይ ከተማ ሬሴን መስረታ።</verse>
				<verse number="13">ምፅራይም ድማ ንሉዲም፥ ንዓናሚም፥ ንላህቢም፥ ንፍታሌም፥ ንፈትሩሲም፥ ንከስሉሂም ንቀፍቶሪም ወለደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኻብ ከስሉሂም ተወለዱ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥</verse>
				<verse number="16">ኢያቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጌርጌሳውያንን፥</verse>
				<verse number="17">ንኤዊያውያንን ንዓሩኬዎንን ንሲኒውያንን፥</verse>
				<verse number="18">ንኣራዳዎንን ንሰማሮዎንን ንኣማቲያንን ወለደ። ብድሕሪኡ ዓሌታት ከነዓን ተበታተኑ።</verse>
				<verse number="19">ወሰን ከነዓናውያን ድማ ኻብ ሲዶን በታ ንጌራራ እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፥ በታ ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሰቦይን እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ላሳ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ካም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦምን እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="21">ሴም ከዓ ቘልዑ ወለደ። ንሱ ኣቦ ዅሎም ደቂ ኤቦር፥ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት እዩ።</verse>
				<verse number="22">ደቂ ሴም ድማ፦ ዔላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም እዮም።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ኣራም ከዓ፥ ዑፅን ሑልን ጌተርን ሞሶሕን እዮም።</verse>
				<verse number="24">ኣርፋክስድ ድማ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ከዓ ንሳላ፥ ሳላ ድማ ንኤቦር ወለደ።</verse>
				<verse number="25">ኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ወለደ። ብዘመኑ ምድሪ ስለ ዝተመቓቐለት፥ ነቲ ሓደ ፋሌቅ ኢሎም ሰመይዎ። ሓዉ ድማ ዮቅጣን ይበሃል ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ዮቅጣን ድማ ንኤልሞዳድ፥ ንሳሌፍ፥ ንሓስረሞት፥ ንየራሕ፥</verse>
				<verse number="27">ንሃዶራም፥ ንኣውዛል፥ ንዶቅላ፥</verse>
				<verse number="28">ንዖባል፥ ንኣቢማኤል፥ ንሳባ፥</verse>
				<verse number="29">ንኦፊር፥ ንኤውላጥ፥ ንዮባብ ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።</verse>
				<verse number="30">ምቕማጣቶም ድማ ኻብ ሜሳ በታ ንስፋር ኣቢላ እትወስድ፥ ኣብቲ ወገን ምብራቕ ዘሎ እምባ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ደቂ ሴም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦም፥ እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="32">ዓሌታት ደቂ ኖህ በብትውልዶም፥ በብህዝቦም እዚኣቶም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተኸፋፈሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ።</verse>
				<verse number="2">ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="3">ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፤ ምህናፅ እታ ኸተማ ድማ ኣቋረፁ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም።</verse>
				<verse number="10">ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማይ ጥፍኣት፥ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣርፋክስድ ወለደ።</verse>
				<verse number="11">ሴም ንኣርፋክስድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="12">ኣርፋክስድ ድማ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ፤ ንቃይንም ወለደ።</verse>
				<verse number="13">ኣርፋክስድ ንቃይንም ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ቃይንም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ ንሳላ ወለደ። ቃይንም ንሳላ ምስ ወለደ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="14">ሳላ ኸዓ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንዔቦር ወለደ።</verse>
				<verse number="15">ሳላ ንዔቦር ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="16">ዔቦር ወዲ ሚእትን ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንፋሌቅ ወለደ።</verse>
				<verse number="17">ዔቦር ንፋሌቅ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="18">ፋሌቅ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንራግው ወለደ።</verse>
				<verse number="19">ፋሌቅ ንራግው ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="20">ራግው ወዲ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንሴሮሕ ወለደ።</verse>
				<verse number="21">ራግው ንሴሮሕ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="22">ሴሮሕ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንናኮር ወለደ።</verse>
				<verse number="23">ሴሮሕ ንናኮር ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="24">ናኮር ወዲ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንታራ ወለደ።</verse>
				<verse number="25">ናኮር ንታራ ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ሚእትን ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="26">ታራ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ።</verse>
				<verse number="27">ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ።</verse>
				<verse number="28">ሓራን ከዓ፥ ኣብታ ዝተወለደላ ምድሪ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ኣብ ኡር ሞተ።</verse>
				<verse number="29">ኣብራምን ናኮርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ሰበይቲ ኣብራም ስማ ሶራ ትበሃል ነበረት፤ ሰበይቲ ናኮር ድማ ሚልካ ጓል ሓራን ነበረት። ሓራን ኣቦ ሚልካና ኣቦ ዮስካን ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ሶራ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ውሉድ ኣይወለደትን።</verse>
				<verse number="31">ታራ ድማ ንወዱ ኣብራምን፥ ንሎጥ ወዲ ሓራን ወዲ ወዱን፥ ንሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰዶም። ካብ ኡር ምድሪ ከለዳውያን ድማ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ብሓደ ወፁ። ኣብ ካራን ምስ በፅሑ፥ ኣብኣ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="32">ታራ ኽልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮኖ ኣብ ካራን ሞተ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦ “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸዓ ኺድ።</verse>
				<verse number="2">ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”</verse>
				<verse number="4">ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወፅእ እንተሎ፥ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ኣብራም ድማ ንሶራ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን፥ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ ወፀ፤ ኣብ ምድሪ ከነዓን ከዓ በፅሐ።</verse>
				<verse number="6">ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ሓሊፉ ናብታ ሴኬም እትበሃል ቦታ፥ ናብታ ዓባይ ኦም ሞሬ በፅሐ። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።</verse>
				<verse number="8">ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።</verse>
				<verse number="9">ኣብራም ድማ ተልዒሉ ኸደ። ናብ ነጌብ ኣቢሉውን ተጕዓዘ።</verse>
				<verse number="10">ኣብታ ምድሪ ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፥ ኣብራም ኣብኣ ኽቕመጥ ናብ ግብፂ ተሰዲዱ ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ናብ ግብፂ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፥ ንሰበይቱ ሶራ “እንሆ፥ መልክዐኛ ሰበይቲ ኸም ዝኾንኪ ኣነ እፈልጥ እየሞ፥</verse>
				<verse number="12">ግብፃውያን ምስ ረአዩኺ ድማ ‘ሰበይቱ እያ’ ኽብሉ እዮም፤ ንኣይ ቀቲሎም ከዓ ንኣኺ ብህይወት ክሓድጉኺ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ፥ ‘ሓፍቱ እየ’ ደኣ በሊ” በላ።</verse>
				<verse number="14">ኣብራም ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን እታ ሰበይቲ የመና መልክዐኛ ምዃና ረአዩ።</verse>
				<verse number="15">ሹመኛታት ፈርዖን ምስ ረአይዋ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣድነቑዋ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖንውን ወሰድዋ።</verse>
				<verse number="16">ፈርዖን ድማ ምእንቲ ሶራ ኢሉ ንኣብራም ፅቡቕ ገበረሉ። ኣብራም ከዓ ኣገልገልቲ ኣወዳትን ኣንስትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣብዑርን፥ ኣእዱግን፥ ኣግማልን ነበርዎ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሶራ ሰበይቲ ኣብራም፥ ንፈርዖንን ንቤቱን ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ቐፅዖም።</verse>
				<verse number="18">ፈርዖን ድማ ንኣብራም ናብኡ ፀዊዑ፥ “እዝ ኣባይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኻኸ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ?</verse>
				<verse number="19">ስለ ምንታይከ ሓፍተይ እያ በልካ? ሰበይተይ ክትከውን ወሲደያ ነይረ። ሕዚ ግና እኒሃትልካ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ፈርዖን ድማ ንሓሻኽሩ ንኣብራም ከፋንውዎ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉ ጥሪቱን ኣፋነውዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኣብራም ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ግብፂ ወፂኡ ናብ ነጌብ ከደ። ሎጥውን ምስኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ነጌብ ተልዒሉ ኽሳዕ ቤቴል፥ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ በፅሐ።</verse>
				<verse number="4">ንሳ ኸዓ እታ ቕድም መሰውኢ ሰሪሑላ ዝነበረ ቦታ እያ። ኣብኣ ኣብራም ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ መጓሰ ኸፍትን ኣባጊዕን ድንኳናትን ነበሮ።</verse>
				<verse number="6">ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ ድማ ምድሪ ፀበቦም፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ብሓደ ኽነብሩ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ መንጎ ጓሶት ከፍቲ ኣብራምን፥ ጓሶት ከፍቲ ሎጥን ባእሲ ኾነ። በቲ ዘመን እቱይ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ኣብራም ከዓ ንሎጥ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="9">ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኻዶ ኣይኮነትን ዘላ? ደጊም ካባይ ተፈለ። ንስኻ ናብ ፀጋም እንተ ኸድካ፥ ኣነ ናብ የማን እኸይድ፤ ንስኻ ናብ የማን እንተ ኸድካ ድማ ኣነ ናብ ፀጋም እኸይድ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።)</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ስለ ዝመረፀ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብራምን ሎጥን ከዓ ተፈላለዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፤ ድንኳኑ ኸዓ ኣብ ጥቓ ሰዶም ተኸለ።</verse>
				<verse number="13">ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዓይንኻ ቘላሕ ኣብል እሞ፥ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት።</verse>
				<verse number="15">እዛ ንስኻ እትሪኣ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="16">ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ።</verse>
				<verse number="17">ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዒሉ፥ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ መፂኡ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥</verse>
				<verse number="2">ምስ ባላ ንጉስ ሰዶም፥ ምስ ብርሳ ንጉስ ገሞራ፥ ምስ ሰነዓር ንጉስ ኣዳማ፥ ምስ ሰሜበር ንጉስ ሰቦይም፥ ምስ ንጉስ ቤላ (ንሳ ኸዓ ዞዓር) ውግእ ገጠሙ።</verse>
				<verse number="3">እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="4">ንኮሎዶጎምር ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ድማ ዓመፁ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኮሎዶጎምርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሓቢሮም መፂኦም፥ ንራፋውያን ኣብ ኣስጣሮት ቃርናይም፥ ንዙዛውያን ኣብ ሃም፥ ንኤሚማውያን ኣብ ጐልጐል ቃርያታይም፥</verse>
				<verse number="6">ንሆራውያን ኣብ ኰረብታ ሴይር፥ ክሳዕ እታ ኣብ ጫፍ ምድረ በዳ ዘላ ኤል ፋራን፥ ሰዓርዎም።</verse>
				<verse number="7">ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ንጉስ ሰዶምን ንጉስ ገሞራን ንጉስ ኣዳማን ንጉስ ሰቦይምን ንጉስ ናይታ ዞዓር እትበሃል ቤላን ወፂኦም፥ ምስ ኮሎዶጎሞር ንጉስ ዔላምን፥ ቲድዓል ንጉስ ጐይምን፥ ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖርን፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳርን፥ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ነገስታት ክዋግኡ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ከዓ ናይ ሰዶምን ገሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዝብላዕን ዘሚቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="12">ሎጥ፥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፥ ኣብ ሰዶም ይነብር ስለ ዝነበረ፥ ምስ ጥሪቱ ማሪኾም ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="13">ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣብ ገዛኡ ዝተወለዱ፥ ፍቱናት ሰባት ኣዕጢቑ፥ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኣቶም ሰዓበ።</verse>
				<verse number="15">ንሱን ኣገልገልቱን ተመቓቒሎም ከዓ ብለይቲ ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሆባ፥ ሰሜን ደማስቆ፥ ድማ ኣሳጐጕዎም።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣምለሶ። ንሎጥ ሓዉን ጥሪቱን ከምኡ ኸዓ፥ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።</verse>
				<verse number="17">ኣብራም ንኮሎዶጎሞርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ ንጉስ ሰዶም ክቕበሎ ናብቲ ሩባ ንጉስ ዝበሃል ሩባ ሴዊ ወፀ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻህን ልዑል እግዚኣብሄር ዝኾነ መልከፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ድማ እንጀራን ወይንን ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ድማ ንኣብራም “ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ይባርኽካ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ንፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ቡሩኽ ይኹን” እናበለ ባረኾ። ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ሰዶም ከዓ ንኣብራም፥ “ነቶም ሰባት ሃበኒ፤ ነቲ ጥሪት ግና ንኣኻ ውሰዶ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ’ ኸይትብልስ፥ ፈትሊ ኾነ ስራኽ ኣሳእን ካብ ናትካ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ።</verse>
				<verse number="24">እንትርፊ እቶም ኣጓብዝ ዝበልዕዎ፥ ንባዕለይ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት፥ ኣውናንን ኤስኮልን መምሬን ግና ግደኦም ይውሰዱ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="2">ኣብራም ከዓ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እቲ እትህበኒ እንታይ እዩ? እንሆ፥ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ፤ ቤተይን ንብረተይን ዝወርስ ድማ በዓል ደማስቆ ኤልኤዘር እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን።</verse>
				<verse number="11">ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፤ ኣብራም ግና የባርሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥</verse>
				<verse number="19">ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን</verse>
				<verse number="20">ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ራፋይምንን</verse>
				<verse number="21">ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ጌርጌሳውያንን ኢያቡሳውያንን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ሰበይቲ ኣብራም ሶራ ግና፥ ንኣብራም ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ኣገልጋሊት ድማ ነበረታ።</verse>
				<verse number="2">ሶራ ኸዓ ንኣብራም “እንሆ፥ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ፤ ምናልባሽ ብኣኣ ውሉድ እንተ ረኸብኩ፥ በይዛኻ ናብታ ግዝእተይ እቶ” በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሶራ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ሶራ ሰበይቲ ኣብራም ነታ ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ግዝእታ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንኣብራም ሃበቶ። እዙይ ዝኾነ ድማ ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣብራም ከዓ ናብ ኣጋር ኣተወ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ንእምበይተኣ ብዓይና ኣቃለለታ።</verse>
				<verse number="5">ሶራ ድማ ንኣብራም “እዝ ዝግፍዖ ዘለኹ ኣብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ብዓይና ኣቃሊላትኒ፤ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ።</verse>
				<verse number="6">ኣብራም ድማ ንሶራ፥ “እኒሃ፥ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፤ ከም ዝደለኺ ግበርያ” በላ። ሽዑ ሶራ ንኣጋር ኣሳቐየታ፤ ንሳ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣ ሃደመት።</verse>
				<verse number="7">መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ በረኻ ኣብ ጥቓ መንገዲ ሱር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ረኸባ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ “ኣቲ ኣጋር፥ ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኺ? ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ኻብ ቅድሚ እምበይተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” በለት።</verse>
				<verse number="9">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ እምበይተኺ ተመለሲ፤ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ተገዝእያ” በላ።</verse>
				<verse number="10">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽቝፀር ክሳዕ ዘይከኣል፥ ከብዝሖ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="11">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ “እንሆ፥ ጥንስቲ ኢኺ፤ ወዲ ኸዓ ኽትወልዲ ኢኺ፤ እግዚኣብሄር መከራኺ ሪኡ እዩ እሞ፥ ስሙ እስማኤል በሊዮ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ኣድጊ በረኻ ዝመስል ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ኢድ ኵሉውን ኣብ ልዕሊኡ ክኸውን እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኽነብር እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="13">ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” እንትትብል ነቲ ዝተዛረባ እግዚኣብሄር “ዝርኢ ኣምላኽ” ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ እቲ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ዘሎ ዒላ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ ዒላ” ተብሃለ።</verse>
				<verse number="15">ኣጋር ከዓ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ “እስማኤል” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="16">በቲ ኣጋር ንእስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።</verse>
				<verse number="2">ቃል ኪዳነይውን ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ከቕውም እየ፤ የመናውን ከብዝሐካ እየ” ድማ በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦</verse>
				<verse number="4">“እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="5">ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ እሞ፥ ደጊም ስምካ ‘ኣብርሃም’ ደኣ እምበር፥ ኣብራም ተብሂሉ ኣይፀዋዕ።</verse>
				<verse number="6">የመና ኸብዝሐካ እየ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኸም እትኸውን ድማ ኽገብር እየ፤ ነገስታትውን ካባኻ ኽወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="7">“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ተዛረቦ “ንስኻ ኺዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፤ ንስኻን፥ ብድሕሬኻ ኸዓ ዘርእኻን ንውሉድ ወለዶ ኺዳነይ ክትሕልዉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ፥ እትሕልውዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይገረዝ።</verse>
				<verse number="11">ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ንሰበይትኻ፥ ድሕሪ ደጊም ‘ሳራ’ እምበር ‘ሶራ’ ኢልካ ኣይትፀውዓያ።</verse>
				<verse number="16">ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። እኖ ኣህዛብ ክትከውን ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ኸዓ ነገስታት ኣህዛብ ክወፁ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ።</verse>
				<verse number="18">ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር “እስማኤል ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዝነብር ምፈተኹ ነይረ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።</verse>
				<verse number="20">ብዛዕባ እስማኤል ድማ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፤ ከፍርዮን፥ የመናውን ከብዝሖን እየ። ዓሰርተ ኽልተ ኣሕሉቕ ክወልድ እዩ። ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="21">ግና ምስቲ ሳራ ንዓመታ፥ ከምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሓቅ፥ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድአ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣብርሃም ተፈልዩ ደየበ።</verse>
				<verse number="23">ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱን፥ ኵሎም ብገንዘቡ ዝተዓደጉን፥ ካብ ቤተሰቡ ዅሉ ተባዕታይ ዝኾነ ወሲዱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገረዞም።</verse>
				<verse number="24">ኣብርሃም ክግረዝ እንተሎ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ወዱ እስማኤል ድማ ኽግረዝ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="26">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገረዙ።</verse>
				<verse number="27">ኵሎም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተወለዱ ቤተሰቡን፥ ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደጉን ምስኡ ተገረዙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኣብርሃም፥ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣብ ኣእዋም መምሬ፥ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ።</verse>
				<verse number="2">ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ፦ “ኦ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንባርያኻ ኸይትሓልፈኒ እልምን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።</verse>
				<verse number="5">ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፥ ቍራስ እንጀራ ኸምፅአልኩም፤ ልብኹም ደግፉሞ ብድሕሪኡ ትሓልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኣብርሃም ናብቲ መጓሰ ኸፍቲ ዘለዋኦ ብጕያ ኸይዱ፥ ስቡሕ ጣዕዋ ወሲዱ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኸሰናድዎ ተቐላጠፈ።</verse>
				<verse number="8">ርግኦን ፃልጣ ፀባን፥ እቲ ዘዳለዎ ስጋ ጣዕዋን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ድማ፥ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብ ውሽጢ ድንኳን እኒሃ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ፥ እግዚኣብሄር “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ፥ ብርግፅ ክምለሰካ እየ፤ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሳራ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ድንኳን ስለ ዝነበረት እዙይ ሰምዐት።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ ንኣብርሃም “ስለ ምንታይ ሳራ፥ ‘ኣሪገ እንተለኹዶ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ’ ኢላ ዝሰሓቐት?</verse>
				<verse number="14">ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ነቲ ኣነ ኽገብሮ ዘለኒ፥ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ?</verse>
				<verse number="18">ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="19">ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄርውን በለ፦ ኣውያት ሰዶምን ገሞራን የመና በዚሑ እዩሞ፥ ሓጢኣቶም ከዓ እምብዛ ኸቢዱ እዩሞ፥</verse>
				<verse number="21">እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ኣብርሃምውን ቅርብ ኢሉ፦ “ብሓቂ ነቲ ፃድቕስ ምስ ሓጥእዶ ኽተጥፍኦ ኢኻ?</verse>
				<verse number="24">ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን?</verse>
				<verse number="25">ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ከተማ ሰዶም ሓምሳ ፃድቃን እንተ ረኺበስ፥ ንዅላ እታ ኸተማ ምእንታኣቶም ኢለ ኽምሕራ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="27">ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥</verse>
				<verse number="28">ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ፃድቃን ሓሙሽተ እንተ ጐደሉኸ፥ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ኽተጥፍኣ ኢኻ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኺበስ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">መሊሱ ድማ “ምናልባሽ ኣብኣ ኣርብዓ እንተ ተረኽቡኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ኣብርሃም ድማ “እንሆ፥ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ዕስራ እንተ ተረኽብዋኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ።</verse>
				<verse number="4">ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ።</verse>
				<verse number="5">ንሎጥ ፀዊዖም ከዓ “እዞም ብለይቲ ናብ ገዛኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ምእንቲ ኽንራኸቦም፥ ናባና ኣውፅኣዮም” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ሎጥ ድማ ናብኣቶም ናብ ኣፍ ደገ ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ብድሕሪኡ ዓፅዩ ድማ፥</verse>
				<verse number="7">“ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ብድንግልናአን ዘለዋ ኽልተ ኣጓላት ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፥ ደስ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና፥ ኣብ ፅላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፥ ኣብኣቶም ክፋእ ኣይትግበሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ግና “ክላ ዘወር በል። ስደተኛ ኾይኑ ዝመፀስ፥ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፤ ካብኣቶም ንኣኻ ኽነግድደልካ ኢና” በልዎ። ንሎጥ ብሓይሊ ጐኒፆም ድማ ማዕፆ ኽሰብሩ ቐረቡ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣጋይሽ ግና ኣእዳዎም ዘርጊሖም፥ ንሎጥ ናብኣቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፤ ነቲ ማዕፆውን ዓፀውዎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሰባት፥ ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ኣዒንቶም ኣዕወርዎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣፍ ደገ ኽረኽብዎ ደኸሙ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ክልተ ሰባት ድማ ንሎጥ “ኣብዙይ ብዘይ እዚኣቶም ካልእ ሰብዶ ኣለካ? ሰብኣይ ጓልካን ኣወዳትካን ኣጓላትካን፥ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዝኾነ ዅሉን፥ ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውፅኣዮም።</verse>
				<verse number="13">ብዝሒ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝበፅሐ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ነዛ ቦታ እዚኣ ኽነጥፍኣ ልኢኹና እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።</verse>
				<verse number="15">ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ “እዛ ኸተማ ኽትጠፍእ እንተላ ኸይትልከምስ፥ ሰበይትኻን እዘን ኣብዙይ ዘለዋ ኽልተ ኣጓላትካን ሒዝካ ቐልጢፍካ ውፃእ” እናበሉ ኣዳፍእዎ።</verse>
				<verse number="16">ሎጥ ድማ ተደናጐየ፤ እግዚኣብሄር ክምሕሮ ስለ ዝደለየ ግና፥ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣጓላቱን ሒዞም ኣውፅእዎ፤ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ።</verse>
				<verse number="17">ናብ ወፃኢ ምስ ኣውፅእዎም፥ እቲ ሓደ “ነፍስኻ ኣድሕን፤ ንድሕሪት ገፅካ ግልፅ ኣይትበል፤ ኣብዝ ጐልጐል እዙይ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ ናብቲ እምባ ኣቢልካ ህደም” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሎጥ ግና “ኣይፋልካን ጐይታይ!</verse>
				<verse number="19">እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ድማ ዓብዪ ምሕረት ገበርካለይ። ሕዚ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽሃድም ኣይክእልን እየ፤ ጥፍኣት ከርክበኒ እዩ እሞ፥ ክመውት እየ።</verse>
				<verse number="20">በይዛኻ እኒሃ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ሃዲምካ ንምምላጥ ቀረባ እያ፤ ንእሽተይ ከዓ እያ፤ እምበኣር ነፍሰይ ንምድሓን ናብኣ ኽሃድም” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ኸዓ “ነዝ ልመናኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ።</verse>
				<verse number="22">ኣብኣ እንተይበፃሕኻ ዝኾነ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፥ ቀልጢፍካ ናብኣ ህደም” በሎ። በዙይ ከዓ እታ ኸተማ ዞዓር ተብሃለት።</verse>
				<verse number="23">ሎጥ ናብ ዞዓር ምስ ኣተወ፥ ኣብታ ምድሪ ፀሓይ በረቐት።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።</verse>
				<verse number="25">ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ።</verse>
				<verse number="26">ሰበይቲ ሎጥ ግና ኽትርኢ ንድሕሪት ግልፅ በለት፤ ሓወልቲ ጨው ከዓ ኾነት።</verse>
				<verse number="27">ንፅባሒቱ ድማ፥ ኣብርሃም ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንጊሁ ኸደ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ከዓ ነተን ኣብ ጐላጕል ዝነበራ ኸተማታት ክግልብጠን እንተሎ፥ ንኣብርሃም ዘከሮ። ንሎጥ ድማ ኻብቲ ነተን ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ዝገልበጠን ጥፍኣት ኣድሓኖ።</verse>
				<verse number="30">ሎጥ ከዓ ኣብ ዞዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሐ፥ ካብ ዞዓር ወፂኡ፥ ንኽልቲአን ኣዋልዱ ሒዙ ኣብቲ ጎቦታት ተቐመጠ። ንሱን ክልቲአን ኣዋልዱን ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="31">እታ በዅሪ ኸዓ ነታ ንእሽተይ፥ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ኸም ልማድ ኵሉ ምድሪ፥ ዝምርዐወና ሰብኣይ የለን።</verse>
				<verse number="32">ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፤ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ምስኡ ንደቅስ” በለታ።</verse>
				<verse number="33">በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፥ እታ በዅሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን።</verse>
				<verse number="34">ንፅባሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽተይ “እንሆ፥ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፥ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ድማ፥ ንስኺ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ” በለታ።</verse>
				<verse number="35">በታ ለይቲ እቲኣውን ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፤ እታ ንእሽተይ ከዓ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን።</verse>
				<verse number="36">ክልቲአን ደቂ ሎጥ ከዓ ኻብ ኣቦአን ጠነሳ።</verse>
				<verse number="37">እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፤ ሞኣብ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ንሱ ናይ እዞም ሞኣባውያን ኣቦ እዩ።</verse>
				<verse number="38">እታ ንእሽተይውን ወዲ ወለደት፤ ወዲ ወገነይ እንትትብል፥ ኣሞን ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ክሳዕ ሎሚ ናይዞም ኣሞናውያን ዝበሃሉ ኣቦ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ኣብርሃም ካብኡ ተልዒሉ ንምድሪ ኔጌብ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሱርን ተቐመጠ። ኣብ ጌራራውን ጋሻ ኾይኑ ቑሩብ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="2">ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ “ሓፍተይ እያ” ኢሉ ተዛረበ። ንጉስ ጌራራ ኣቢሜሌክ ከዓ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ግና ንኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መፂኡ፤ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ እሞ፥ እንሆ ብሰንካ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣቢሜሌክ ከዓ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ “ጐይታይ! ንፃድቕ ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ?</verse>
				<verse number="5">ባዕሉዶ ኣይኮነን፥ ‘ንሳ ሓፍተይ እያ’ ዝበለኒ? ንሳኸ ባዕላዶ ኣይኮነትን ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ? ብንፁህ ልበይን ብፅሩይ ኢደይን እየ እዙይ ዝገበርኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከዓ ብሕልሚ፥ “ኣነውን ነዙይ ብንፁህ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ ፈሊጠ፥ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዙይውን ክትቀርባ ኣይፈቐድኩልካን።</verse>
				<verse number="7">ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ኣቢሜሌክ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ፀዊዑ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር ነገሮም። እቶም ሰባት ከዓ የመና ፈርሑ።</verse>
				<verse number="9">ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">መሊሱ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም “እንታይ ርኢኻ ኢኻ እዝ ነገርዙይ ዝገበርካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ኣብርሃም ከዓ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብርግፅ የለን እሞ፥ ብምኽንያት ሰበይተይ ከይቐትሉኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ።</verse>
				<verse number="12">ብዘይ እዙይውን ብሓቂ ብወገን እንዳቦይ ሓፍተይ እያ፤ ብእንዳኖይ ግና ኣይኮነትን፤ ንኣይውን ሰበይተይ ኮነት።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብ እንዳ ኣቦይ ምስ ኣውፅአኒ፤ ንኣይ እትገብሪዮ ሰናይ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣተናዮ ቦታ ‘ሓወይ እዩ’ በሊ፥ በልክዋ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="14">ኣቢሜሌክ ከዓ ኣባጊዕ፥ ከፍቲ፥ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት፥ ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ። ንሳራ ሰበይቱ ድማ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="15">ኣቢሜሌክ ድማ “ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ኣብ ዝመረፅካዮ ተቐመጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንሳራ ድማ “ንሓውኪ ሽሕ ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም ንኽብርኺ ይኹንኪ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ነውሪ ዘይፈፀምኪ ምዃንኪ ምልክት ይኹንኪ” በላ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።</verse>
				<verse number="2">ሳራ ጠነሰት፤ በቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዋን ከዓ፥ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="3">ኣብርሃም ድማ ነቲ ዝተወለደሉ ሳራ ንዝወለደትሉ ወዱ “ይስሓቅ” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="4">ኣብርሃም ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ ገረዞ።</verse>
				<verse number="5">ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት።</verse>
				<verse number="7">መሊሳውን “ሳራ ቘልዓ ኸም እተጥቡ፥ ንኣብርሃም መን ምነገሮ? ኣብ እርግናኡ ንኣብርሃም ወሊደሉ እየሞ” በለት።</verse>
				<verse number="8">እቲ ቘልዓ ኸዓ ዓበየ፤ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሓቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ።</verse>
				<verse number="9">ሳራ ድማ፥ እታ ግብፃዊት ኣጋር ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ፥ ከላግፅ እንተሎ ረአየት።</verse>
				<verse number="10">ንኣብርሃም ድማ፥ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ፥ ምስ ይስሓቅ ወደይ ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወዳ ስጐጓ” በለቶ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ነገር እዙይ ብዛዕባ ወዱ እስማኤል ንኣብርሃም ጭንቂ ኾኖ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ስለ ባርያኻን ስለ እቲ ህፃንን ኣይትጨነቕ፤ ብይስሓቅ እዩ ዘርኢ ዝስመየልካ እሞ፥ ንዅሉ እቲ ሳራ እትብለካ ስምዓዮ፤</verse>
				<verse number="13">ንወዲ እዛ ባርያውን ዘርእኻ ስለ ዝኾነ፥ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ እንጀራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፥ ንኣጋር ሃባ፤ ኣብ ማእገራ ድማ ኣሰከማ፤ ነቲ ቘልዓ ሂቡውን ሰደዳ። ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣብ በረኻ ቤርሳቤህ ከርተት ትብል ነበረት።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣብ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ምስ ተወድአ ድማ፥ ነቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ኣቐሚጣ ሓደገቶ።</verse>
				<verse number="16">“ሞት እዝ ቘልዓ እዙይ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ኸደት እሞ፥ ምውርዋር ቀስቲ ዝኣክል ርሒቓ ኣብ መንፅሩ ተቐመጠት። ዓው ኢላ ድማ ትበኪ ነበረት።</verse>
				<verse number="17">ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ።</verse>
				<verse number="18">ተስኢ፤ ነቲ ቘልዓ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፤ ኣነ ኸዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ ዓይና ኸፈተላ፤ ማይ ዘለዎ ዒላውን ረአየት። ከይዳ ኸዓ ነቲ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዓበየ፤ ኣብ ምድረ በዳውን ተቐመጠ፤ ቀስተኛ ኸዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="21">እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ።</verse>
				<verse number="22">በቲ ዘመን እቱይ ድማ፥ ኣቢሜሌክ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን መፂኡ፥ ንኣብርሃም “ብእትገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ሕዚ ኸዓ ኸምቲ ኣነ ፅቡቕ ዝገበርኩልካ፥ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፥ ከምኡ ኽትገብር እምበር፥ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ክፉእ ከይትገብር ብእግዚኣብሄር መሓለለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ኣብርሃም ከዓ “ኣነ እምሕል ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="25">ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ኣገልገልቲ ኣቢሜሌክ፥ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።</verse>
				<verse number="26">ኣቢሜሌክ ከዓ “ነዚ ነገር እዙይስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፤ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፤ ኣነውን እንትርፊ ሎሚ ኣይሰማዕኹን” በለ።</verse>
				<verse number="27">ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ከፍትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ። ክልቲኦም ከዓ ኺዳን ተኣታተዉ።</verse>
				<verse number="28">ኣብርሃም ድማ ኻብ መጓሰኡ ሸውዓተ ኣንስትዮ ኣባጊዕ ንበይነን ፈለየ።</verse>
				<verse number="29">ኣቢሜሌክ ከዓ ንኣብርሃም “እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እንታይ እየን?” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ኣብርሃም ድማ፥ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾናኒ፥ እዘን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እዚኣተን ካብ ኢደይ ንኣኻ ውሰድ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ ዝተመሓሓሉ፥ ነታ ቦታ እቲኣ “ቤርሳቤህ” ኢሉ ፀውዓ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ቤርሳቤህ ኸዓ ኺዳን ተኣታተዉ። ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፥ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰ።</verse>
				<verse number="33">ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ።</verse>
				<verse number="34">ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘመን ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ንፅባሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ። ክልተ ኣገልገልቱን ወዱ ይስሓቅን ከዓ ምስኡ ወሰደ። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ፈሊፁ፥ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ኸደ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብርሃም ኣንቃዕሪሩ ጠመተሞ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ።</verse>
				<verse number="5">ኣብርሃም ድማ ነቶም ኣገልገልቱ “ነዝ ኣድጊ ሒዝኩም ኣብዙይ ፅንሑ፤ ኣነን እዝ ወደይን ናብቱይ ክንከይድ ኢና፤ ሰጊድና ኸዓ ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ኣብርሃም ድማ ነቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኣልዒሉ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣሰከሞ። ንሱውን ሓዊን ካራን ብኢዱ ሓዘ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ይስሓቅ ነቦኡ ኣብርሃም “ኣቦይ” ኢሉ ፀውዖ፤ ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ ወደይ” በሎ። ይስሓቅ ድማ “ሓዊን ዕንፀይትንስ እንሆ፤ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="8">ኣብርሃም ከዓ “ወደይ፥ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ፤ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።</verse>
				<verse number="9">ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሓበረሉ ቦታ በፅሑ፤ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፤ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣጋደሞ።</verse>
				<verse number="10">ኣብርሃም ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ንወዱ ኽስውእ ካራ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="11">መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣብርሃም ድማ ግልፅ እንተበለ፥ እንሆ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሃረግ ዝተትሓዘ በጊዕ ረአየ። ከይዱ ድማ ነቲ በጊዕ ወሲዱ፥ ክንዲ ወዱ ይስሓቅ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኦ።</verse>
				<verse number="14">ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።</verse>
				<verse number="15">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ኻብ ሰማይ ንኣብርሃም ፀውዖ።</verse>
				<verse number="16">“ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥</verse>
				<verse number="17">ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ኣብርሃም ከዓ ናብቶም ኣገልገልቱ ተመለሰ። ሓቢሮም ድማ ናብ ቤርሳቤህ ኸዱ። ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="20">ብድሕሪዙይ ንኣብርሃም “እንሆ ሚልካ ንናኮር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ ዑፅ እቲ በዅሩ፥ ቡዝ ሓዉ፥ ቀሙኤል ኣቦ ኣራም፥</verse>
				<verse number="22">ኮዛት፥ ሓዞ፥ ፊልዳስ፥ የድላፍ፥ ባቱኤል እዮም።</verse>
				<verse number="23">ባቱኤል ንርብቃ ወለደ። ስለዙይ ሚልካ ንናኮር ሓው ኣብርሃም ሸሞንተ ደቂ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="24">ሬሕማ ዝስማ ዕቅብቱ ድማ ጥባሕ፥ ገኣም፥ ተሓስ፥ ሞክሳ ዝበሃሉ ደቂ ወለደትሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ሳራ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኮና፤ እዚኣተን እየን ዓመታት ሳራ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቂርያትኣርባቅ ሞተት፤ ንሳውን ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ኬብሮን እያ። ኣብርሃም ከዓ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን ጀመረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብርሃም ካብቲ ጥቓ ሬሳ ተሲኡ፥ ንደቂ ኬጢ</verse>
				<verse number="4">“ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ኬጢ ድማ ንኣብርሃም</verse>
				<verse number="6">“ጐይታና! ስምዐና፤ ንስኻ ኣብ ማእኸልና፥ ኣምላኽ ዝሸመካ መስፍን ኢኻ። ካብቲ ናይ መቓብር ቦታና ኣብ ዝመረፅካዮ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ንሬሳኻ ኸይትቐብር መቓብር ዝኽልክለካ የለን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="7">ኣብርሃም ከዓ ተሲኡ፥ ንህዝቢ እታ ሃገር ንደቂ ኬጢ፥ ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአሎም።</verse>
				<verse number="8">“ሬሳይ ካብ ቅድመይ ክቐብር ካብ ፈቐድኩምለይስ ስምዑኒ፤ ንኤፍሮን ወዲ ፆሓር፥ ነታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ ናቱ በዓቲ ኽህበኒ እሞ፥ ንመቓብር ርስቲ ኽትኮነኒ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ኽህበኒ ለምኑለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኤፍሮን ድማ ኣብ ማእኸል ደቂ ኬጢ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱውን ኵሎም እቶም ደቂ ኸተማኡ፥ ደቂ ኬጢ፥ እናሰምዑ ንኣብርሃም፥</verse>
				<verse number="11">“ኣይፋልካን ጐይታይ፥ ስምዐኒ ደኣ፤ እታ ግራትን፥ እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ ኣለኹ፥ ሬሳኻ ቕበር” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአ።</verse>
				<verse number="13">ንኤፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ “በይዛኻ ስምዐኒ! ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህበካ ተቐበለኒ እሞ ሬሳይ ኣብኣ ኽቐብር” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኤፍሮን ድማ ንኣብርሃም</verse>
				<verse number="15">“ጐይታይ! ስምዐኒ ደኣ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር ዝዋጋኡ ምድሪ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ? ሬሳኻ እንዶ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="16">ኣብርሃም ከዓ ነቲ ኤፍሮን ደቂ ኬጢ እናሰምዑ ዝተዛረቦ ዋጋ ሰሚዑ፥ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሸርፊ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር መዘነሉ።</verse>
				<verse number="17">በዝ ኸምዙይ ከዓ እታ ኣብ ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዝነበረት ግራት ኤፍሮን፥ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ወሰና ዝነበረ ኣእዋምን፥</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ ደቂ ኬጢን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በታ በሪ እታ ኸተማ ዝኣትዉ ዝነበሩን፥ ንኣብርሃም ርስቱ ኾነት።</verse>
				<verse number="19">ድሕሪዙይ ድማ ኣብርሃም ንሳራ ሰበይቱ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ፥ ኣብ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ከነዓን ቀበራ።</verse>
				<verse number="20">እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ፥ ካብ ደቂ ኬጢ ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ፀንዐት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብርሃም ከዓ ነቲ ዝሸምገለ ኣገልጋሊኡ፥ ኣዛዚ ኵሉ ገንዘቡ “በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር።</verse>
				<verse number="3">ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ “ምናልባሽ እታ ጓል ናብዛ ሃገር ክትመፅእ እንተ ዘይፈተወትከ፥ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝሓደግካያ ሃገርዶ ኽወስዶ?” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብርሃም ድማ “ንወደይ ናብኣ ኸይትወስዶ ተጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">እታ ጓል ምሳኻ ኽትመፅእ እንተ ዘይፈተወት ግና፥ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትውሰዶ እምበር፥ ንስኻ ኻብዛ ዘምሕለካ ማሕላ እዚኣ ንፁህ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣገልጋሊ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፤ ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ መሓለሉ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ ኻብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፥ ካብ ኵሉ ዘዝፀበቐ ውህብቶ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተልዓለ። ተልዒሉውን ናብ መስጴጦምያ ናብ ከተማ ናኮር ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ኣጋ ምሸት፥ በታ ኣንስቲ ንማይ ዝወርዳላ ጊዜ ኸዓ፥ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ፥ ነተን ኣግማል ኣንበርከኸን።</verse>
				<verse number="12">ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር።</verse>
				<verse number="13">እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዝ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣጓላት እዛ ኸተማ ኸዓ፥ ማይ ክቐድሓ ኽወፃ እየን።</verse>
				<verse number="14">እንሆ ኸዓ፥ ‘ማይ ክሰቲ፥ በይዛኺ ንዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ፥ ንሳ ኸዓ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ ጓል፥ ንሳ ንይስሓቅ ባርያኻ ዝመረፅካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸዓ በዙይ ክፈልጥ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="15">ገና ዘረባኡ እንተይወድአ ድማ እንሆ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ፆይራ መፀት። ንሳ ጓል ባቱኤል ወዲ ሚልካ፥ ሰበይቲ ናኮር ሓው ኣብርሃም እያ።</verse>
				<verse number="16">እታ ጓል የመና ፅብቕቲ፥ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸዓ ዕትሮኣ ማይ መሊኣ ተመሊሳ ደየበት።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣገልጋሊ ድማ እናጐየየ ኸይዱ፥ “ካብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ክተስትይኒ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።</verse>
				<verse number="18">ንሳ ኸዓ “ጐይታይ ስተ” ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ።</verse>
				<verse number="19">ምስ ኣስተየቶ ድማ “ነግማልካውን ክሳዕ ዝኣኽለን ክሰትያ ኽቐድሐለን እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="20">ቀልጢፋ እቲ ማይ ካብ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ገልቢጣ መሊሳ ማይ ክትቀድሕ ናብ ዒላ ጐየየት፤ ንዅለን ኣግማሉ ኸዓ ማይ ቐድሐትለን።</verse>
				<verse number="21">እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መንገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ ኽፈልጥ፥ ስቕ ኢሉ ኣትኲሩ ይጥምታ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ።</verse>
				<verse number="23">ከምዙይውን በላ፦ “ጓል መን ኢኺ? በይዛኺ ንገርኒ፤ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ኣሎ?”</verse>
				<verse number="24">ንሳ ኸዓ “ኣነ ጓል ባቱኤል እየ፤ ባቱኤል ከዓ ሚልካ ኻብ ናኮር ዝወለደቶ እዩ” ኢላ መለሰትሉ።</verse>
				<verse number="25">ኣስዒባ ኸዓ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፥ ንመሕደሪ ኣግማልካ ድማ ስፍራ ኣለና” በለቶ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።</verse>
				<verse number="27">“እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ።</verse>
				<verse number="28">እታ ጓል ከዓ እናጐየየት ከይዳ፥ እቲ ዝኾነ ነገር ንስድራ እኖኣ ነገረት።</verse>
				<verse number="29">ንርብቃ፥ ላባ ዝስሙ ሓው ነበራ። ብጕያ ወፂኡ ድማ ናብቲ ሰብኣይ፥ ናብቲ ዓይኒ ማይ ከደ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ቐለቤትን፥ ኣብ ኢድ ሓፍቱ ዝነበረ ኣምባርን ምስ ረአየ፥ ርብቃ ሓፍቱ ድማ “እቲ ሰብኣይ ከምዙይ ኢሉ ተዛሪቡኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ሰብኣይ መፀ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛ ኣተወ። ነተን ኣግማል ኣራገፈን፤ ሓሰርን ድርቋን ከዓ ሃበን፤ እቲ ሰብኣይን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ኣቕረበሎም።</verse>
				<verse number="33">ምግቢውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበሉ። ንሱ ግና “ጉዳየይ እንተይነገርኩ ኣይበልዕን” በለ። ላባ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ድማ “ኣነ ኣገልጋሊ ኣብርሃም እየ።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፥ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፤ ጐይታይውን ንወዱ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="37">ጐይታይ ድማ ‘ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ጓል ኣምፅአሉ እምበር፥ ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምፅኣሉ’ ኢሉ ኣምሓለኒ።</verse>
				<verse number="38"></verse>
				<verse number="39">ሽዑ ኸዓ ኣነ ንጐይታይ ‘ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመፅእ እንተ ዘይደለየትከ?’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="40">ንሱ ድማ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ እግዚኣብሄር፥ መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኸቕንዐልካ እዩ እሞ፥ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።</verse>
				<verse number="41">ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ ድማ፥ ካብቲ ዘምሓልኩኻ ንፁህ ኢኻ፤ እንተ ዘይሃቡኻውን ካብቲ ማሕላይ ንፁህ ክትከውን ኢኻ’ ኢሉኒ።</verse>
				<verse number="42">“ሎሚ ኸዓ ናብዛ ዓይኒ ማይ መፂአ፥ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ነዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መንገዲ ኣቕንዐለይ።</verse>
				<verse number="43">እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ “ማይ ክትቀድሕ እትወፅእ፥ ኣነ ኸዓ ኻብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ኣስትይኒ” ዝብላ፥</verse>
				<verse number="44">ንሳ ድማ፥ “ስተ ነግማልካውን ክቐድሐለን እየ” እትብለኒ ጓል፥ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዘዳለዋ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ።</verse>
				<verse number="45">ኣነ ብልበይ ዝዛረቦ ገና እንተይወዳእኹ፥ እንሆ ርብቃ፥ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ተሸኪማ ወፀት፤ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቐድሐት። ኣነ ኸዓ ‘ማይ ኣስትይኒ’ በልክዋ።</verse>
				<verse number="46">ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኣውሪዳ ድማ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ሰተኹ፤ ነተን ኣግማለይውን ኣስተየተን።</verse>
				<verse number="47">ኣነ ኸዓ ‘ኣቲ፥ ጓል መን ኢኺ?’ ኢለ ጠየቕክዋ። ንሳ ድማ፥ ‘ጓል ባቱኤል ወዲ ናኮር፥ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ’ በለትኒ። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣእተኹላ፤ ኣምባር ከዓ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።</verse>
				<verse number="48">ብግንባረይ ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩ፤ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መንገዲ ንዝመርሐኒ፥ ንኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንኩ።</verse>
				<verse number="49">ሕዚ ኸዓ ንጐይታይ ሓልዮትን ተኣማንነትን እተርእዩ እንተ ዄንኩም፥ ንገሩኒ። ዘይትህቡኒ እንተ ዄንኩም ድማ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ክብል ንገሩኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="50">ሽዑ ላባን ባቱኤልን “እዝ ነገርዙይ ካብ እግዚኣብሄር ዝመፀ እዩ፤ ክፉእ ኾነ ፅቡቕ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።</verse>
				<verse number="51">እኒሃ፥ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ሒዝካያ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፥ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="52">እቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ድማ ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።</verse>
				<verse number="53">ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።</verse>
				<verse number="54">ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከዓ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንፅባሒቱ ምስ ተስኡ ኸዓ “ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="55">ሓዋን እኖኣን ድማ “እዛ ጓል ንዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል ምሳና ትቐኒ፤ ድሕሪኡ ኽትከይድ” በልዎ።</verse>
				<verse number="56">ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር መንገደይ ካብ ኣቕንዐለይ ኣይተደናጕዩኒ፤ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="57">ንሳቶም ድማ “ነታ ጓል ፀዊዕና ኽንጥይቓ” ካብ ኣፋውን ክንሰምዕ በልዎ።</verse>
				<verse number="58">ንርብቃ ፀዊዖም ድማ፥ “ምስ እዝ ሰብኣይ እዙይዶ ኽትከዲ?” በልዋ። ንሳ ድማ “እወ፥ እኸይድ” በለቶም።</verse>
				<verse number="59">ሽዑ ንርብቃ ሓፍቶምን ንመጕዚታን ነቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃምን ንሰቡን ኣሰናበትዎም።</verse>
				<verse number="60">ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።</verse>
				<verse number="61">ርብቃ ኸዓ ምስ ኣግራዳ፥ ኣብ ኣግማል ተቐሚጠን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ ንርብቃ ሒዝዋ ኸደ።</verse>
				<verse number="62">ይስሓቅ ግና ኣብ ምድሪ ነጌብ ይነብር ነበረ። በቲ መንገዲ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዒላ ኣቢሉ ኸዓ ይመፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="63">ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ ይስሓቅ ብልቡ እናስተንተነ ናብ ሜዳ ወፂኡ ነበረ። ኣማዕድዩ እንተ ረአየ ኸዓ ኣግማል እንትመፃ ረአየ።</verse>
				<verse number="64">ርብቃ ድማ ንይስሓቅ ረአየቶ፤ ቀልጢፋ ኻብ ግመል ወሪዳ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="65">ነቲ ኣገልጋሊ “እቲ ብሜዳ ናባና ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ?” ኢላ ጠየቐቶ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ “ንሱ ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ መጐልበቢኣ ኣውፂኣ ተጐልበበት።</verse>
				<verse number="66">እቲ ኣገልጋሊ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ንይስሓቅ ነገሮ።</verse>
				<verse number="67">ይስሓቅ ከዓ ናብ ድንኳን እኖኡ ሳራ ኣእተዋ። ሰበይቱውን ኮነት፤ ፈተዋውን። ይስሓቅ ድማ፥ እንሆ፥ ድሕሪ ሞት እኖኡ ተፀናንዐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ኣብርሃም ድማ መሊሱ ኬጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ።</verse>
				<verse number="2">ንሳ ኸዓ ንዘምራን፥ ንዮቅሳን፥ ንሜዳን፥ ንምድያምን፥ ንየስቦቅን፥ ንሹኣሕን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="3">ዮቅሳን ድማ ንሳባን ንድዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከዓ ኣሶርውያን ለጡሳውያን ለኡማውያን እዮም።</verse>
				<verse number="4">ደቂ ምድያም ድማ ጌፌር ኤፌርን ሄኖሕን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኬጡራ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣብርሃም ድማ ዘለዎ ዅሉ ሃብቲ ንይስሓቅ ሃቦ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="7">ኣብርሃም ዝነበረለን ዓመታት ዕድሚኡ፥ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት እየን።</verse>
				<verse number="8">ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።</verse>
				<verse number="9">ደቁ ይስሓቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ሰዓር ኬጢያዊ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ማክጴላ እትበሃል በዓቲ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="10">እዚኣ እታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኬጢ ዝዓደጋ ግራት እያ። ኣብርሃም ከዓ ምስ ሰበይቱ ሳራ ኣብኣ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ትውልዲ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፥ ኣጋር፥ እታ መገልገሊት ሳራ ግብፃዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፥ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="13">ስም ደቂ እስማኤል በብስሞምን በብትውልዶምን እዙይ እዩ፦ በዅሪ ወዱ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ኣድብኤል፥ መብሳም፥</verse>
				<verse number="14">ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥</verse>
				<verse number="15">ኩዳን፥ ቴማን፥ ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ።</verse>
				<verse number="16">ደቂ እስማኤል እዚኣቶም እዮም። ስማቶምውን በብዓዶምን በብቦታኦምን ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ መሳፍንቲ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።</verse>
				<verse number="18">ደቂ እስማኤል ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር፥ ኣብታ ናብ ኣሶር እትወስድ መንገዲ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንፅር ኵሎም ኣሕዋቱ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ትውልዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ከምዙይ እዩ፦ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ።</verse>
				<verse number="20">ይስሓቅ ድማ ንርብቃ ሰበይቱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ንሳ ጓል እቲ ኣብ ማእኸል ክልተ ኣፍላግ ዝነብር ሶርያዊ ባቱኤልን፥ ሓፍቲ እቲ ሶርያዊ ላባን ነበረት።</verse>
				<verse number="21">ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።</verse>
				<verse number="22">እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="24">እትወልደሉ ዕለት ምስ በፅሐ ድማ እንሆ ማንታ ወለደት።</verse>
				<verse number="25">እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃደን ዝፈልጥ ሰብኣይ በረኻ ኾነ። ያእቆብ ከዓ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብ ኮነ።</verse>
				<verse number="28">ኤሳው እናሃደነ ነቦኡ ይስሓቅ ስጋ የብልዖ ስለ ዝነበረ፥ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።</verse>
				<verse number="29">ያእቆብ ፀብሒ እናሰርሐ እንተሎ፥ ኤሳው ካብ በረኻ ኣተወ፤ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ድማ፥</verse>
				<verse number="30">ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ።</verse>
				<verse number="31">ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ኤሳው ድማ፥ “እንሆ ኽመውት ኢለ ኣለኹ፤ እዛ ብዅርና እዚኣ እንታይዶ ኽትዓብሰለይ እያ?” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ያእቆብ ከዓ “ቅድም መሓለለይ” በሎ እሞ መሓለሉ። ብዅርናኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ።</verse>
				<verse number="34">ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጀራን ፀብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተልዒሉ ኸደ። ኤሳው ብኸምዙይ ንብዅርናኡ ነዓቓ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ተገልፀሉ እሞ፦ “ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ እምበር፥ ናብ ግብፂ ኣይትውረድ።</verse>
				<verse number="3">እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።</verse>
				<verse number="4">“ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ይስሓቅ ኣብ ጌራራ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="7">ሰብ ጌራራ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ። መልክዓ ፅቡቕ ስለ ዝነበረ፥ ደቂ እታ ሃገር ንርብቃ ኽብሉ ኸይቐትልዎ፥ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሐ። “ንሳ ሓፍተይ እያ” ኸዓ በሎም።</verse>
				<verse number="8">ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ብመስኮት ክጥምት እንተሎ፥ ይስሓቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ እንትፃወት ረአየ።</verse>
				<verse number="9">ኣቢሜሌክ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እምበኣር ሰበይትኻ እያ! ስለ ምንታይ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ዝበልካ?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብሰንካ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣቢሜሌክ ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካና? ሓደ ኻብዞም ህዝቢ ዘይፈለጠ፥ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፥ ንኣናውን ኣብ በደል መእተኻና ኔርካ።”</verse>
				<verse number="11">ኣቢሜሌክ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ወይ ንሰበይቱ ዝነኽአ፥ ብርግፅ ክቕተል እዩ” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="12">ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ።</verse>
				<verse number="13">ይስሓቅ ሃብተመ፤ ሃብቱ ድማ የመና እናበዝሐ ኸደ።</verse>
				<verse number="14">ኣባጊዕን ከፍትን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ቐንኡሉ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፥ ነቶም ኣገልገልቲ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዅሉ ዒላታት ደፈንዎ፤ ሓመድ ከዓ መልእዎ።</verse>
				<verse number="16">ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ “ካባና የመና ሓዪልካ ኢኻ እሞ፥ ካባና ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ይስሓቅ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራራ ሰፈረ፤ ኣብኡውን ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም፥ ዝዀዓትዎ ዒላታት ማይ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደፈንዎም፥ ይስሓቅ መሊሱ ዀዓቶም፤ በቲ ኣቦኡ ዝፅውዖም ዝነበረ ስም ድማ ሰመዮም።</verse>
				<verse number="19">ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዒላ ዀዓቱ፤ ኣብኡ ኸዓ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ።</verse>
				<verse number="20">ጓሶት ጌራራ ከዓ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዙይ ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሓቅ ከዓ ምስኡ ስለ ዝተበኣሱ፥ ነቲ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="21">ካልእ ዒላ ኸዓ ዀዓቱ፤ ብዛዕባኡውን ስለ ዝተበኣሱ “ስጥና” ኢሉ ስም ኣውፅአሉ።</verse>
				<verse number="22">ካብኡ ድማ ገዓዘ፤ ካልእ ዒላውን ኰዓተ፤ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበኣሱን፤ “ሕዝስ እግዚኣብሄር ኣስፊሑና እዩ እሞ ኣብዝ ምድሪዙይውን ክንስስን ኢና” በለ። ነቲ ዒላ ድማ “ርሖቦት” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="23">ካብኡ ኸዓ ንቤርሳቤህ ደየበ።</verse>
				<verse number="24">በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ይስሓቅ ከዓ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ። ድንኳኑውን ተኸለ፤ ኣገልገልቱ ድማ ዒላ ዀዓቱ።</verse>
				<verse number="26">ኣቢሜሌክ ድማ ኣከዘት ምስ ዝበሃል ኣማኻሪኡን ፊኮል ምስ ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊቱን ካብ ጌራራ ናብ ይስሓቅ ከደ።</verse>
				<verse number="27">ይስሓቅ ከዓ “ፀሊእኹምንስ ካባኻትኩምዶ ኣይሰጐጕኩምንን? ንምንታይ ደኣ ናባይ መፃእኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና እሞ፥ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕውን ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዘፋኖናካ፥ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፥ ንሕናን ንስኻን ንስንሳትና ንመሓሓል፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ፥ ኢልና መኸርና። ሕዚ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ ኢኻ” በልዎ።</verse>
				<verse number="29"></verse>
				<verse number="30">ይስሓቅ ድማ ምሳሕ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን።</verse>
				<verse number="31">ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ንስንሳቶም ተመሓሓሉ። ይስሓቅ ከዓ ኣፋነዎም፤ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ።</verse>
				<verse number="32">በታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልገልቲ ይስሓቅ መፂኦም ብዛዕባቲ ዝዀዓትዎ ዒላ ነገርዎ፤ “ማይ ረኺብናሉ” ድማ በልዎ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ድማ ነቲ ዒላ “ሳቤህ” ኢሉ ሰመዮ። ስለዙይውን እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ “ቤርሳቤህ ተብሂላ” ትፅዋዕ ኣላ።</verse>
				<verse number="34">ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፥ ንጓል እቲ ኬጢያዊ ይሁዲትን፥ ንጓል ኤሎን እቲ ኬጢያዊ ቤሴሞትን ኣእተወን።</verse>
				<verse number="35">እዚኣተን ከዓ ንይስሓቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾናኦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ይስሓቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ደኺመን ምርኣይ ምስ ሰኣና፥ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ፀዊዑ “ኣታ ወደይ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ንሱ “እንሆ፥ ሕዚ ኣሪገ እየ፤ መኣዝ ከም ዝመውትውን ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="3">በይዛኻ ኣፅዋር ሃደንካን መንቲግካን ቀስትኻን፥ ውሰድ እሞ ሕዚ ንበረኻ ወፊርካ፥ ሃዲንካ ስጋ ኣምፅአለይ።</verse>
				<verse number="4">እንተይሞትኩ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ከምቲ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ርብቃ ኸዓ ይስሓቅ ንኤሳው ወዱ ኽዛረቦ እንተሎ ትሰምዕ ነበረት። ኤሳው ሃዲኑ ኸምፅእ ናብ በረኻ ምስ ወፈረ ድማ፥</verse>
				<verse number="6">ርብቃ ንወዳ ያእቆብ፦ “እንሆ፥ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ‘ቅድሚ ሞተይ በሊዐ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ’ ኢሉ እንትዛረቦ ሰሚዐዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ሕዚ ድማ ወደይ! ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ግበር።</verse>
				<verse number="9">ናብተን መጓሰ ኼድካ፥ ክልተ ፅቡቓት መሓስእ ኣምፅአለይ። ኣነ ኸዓ ንኣኣተን ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኸሰናድወሉ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ድማ በሊዑ፥ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ነቦኻ ኽተቕርበሉ ኢኻ” በለቶ።</verse>
				<verse number="11">ያእቆብ ከዓ ንኖኡ ርብቃ “እንሆ፥ ሓወይ ኤሳው ፀጓር ሰብ እዩ፤ ኣነ ግና ቘርበተይ ልሙፅ ሰብ እየ።</verse>
				<verse number="12">ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒሞ፥ ከም ዘላገፅኩሉ ኾይነ ኸይርከብ፤ ኣብ ልዕለይ ከዓ ኽንዲ ምርቓ፥ መርገም ከየምፅአለይ” በላ።</verse>
				<verse number="13">እኖኡ ድማ “ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር፤ ኬድካ ነተን መሓስእ ኣምፅአለይ እምበር መርገምካስ ኣባይ ይብፃሕ” በለቶ።</verse>
				<verse number="14">ከይዱ ድማ ኣምፅአ፤ ንኖኡውን ሃባ፤ እኖኡ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ዝፈትዎ ገይራ ጥዑም ብልዒ ኣሰናደወት።</verse>
				<verse number="15">ርብቃ እቲ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበረ ፅቡቕ ክዳውንቲ ዓብዪ ወዳ ኤሳው ወሲዳ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዳ ንያእቆብ ከደነቶ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ልሙፅ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ነቲ ጥዑም ብልዕን ነቲ ዝሰንከተቶ እንጀራን፥ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሃበቶ።</verse>
				<verse number="18">ያእቆብ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ “ኣቦይ!” በሎ። ይስሓቅ ድማ “እኒሀኹ ወደይ፤ ንስኻ መን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ያእቆብ ድማ ነቦኡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ እኒሀኹ፤ ተስእ ቅንዕ ኢልካውን ተቐመጥ፤ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐኒ ኸዓ ኻብዝ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="21">ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ “ወደይ! ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኽድህስሰካ ናባይ ቅረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ቀረበ። ዳህሲሱ ኸዓ፥ “ድምፅኻ ድምፂ ያእቆብ ይመስል፤ ኣእዳውካ ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ድማ፥ ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ፀጓራት ነበራ እሞ ኣየለለዮን፤ መረቖውን።</verse>
				<verse number="24">“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="25">“ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፥ ካብቲ ዝሃደንካዮ ኽበልዕ ኣቕርበለይ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣቕረበሉ፤ በልዐ ድማ፤ ወይኒ እውን ሃቦ እሞ ሰተየ።</verse>
				<verse number="26">ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ “ወደይ፥ ቀሪብካ ሰዓመኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኸዓ ቐሪቡ ሰዓሞ። ይስሓቅ ድማ ጨና ኽዳኑ ኣጫንዩ፥ ከምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እንሆ፥ መዓዛ ወደይ ከም መዓዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ፤</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ።</verse>
				<verse number="29">ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ይስሓቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፥ ያእቆብውን ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ውፅእ ምስ በለ፥ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃደን ኣተወ።</verse>
				<verse number="31">ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣሰናድዩ፥ ናብ ኣቦኡ ኣምፅአ፤ ነቦኡ ድማ “ኣቦይ! ምእንቲ ነፍስኻ ኽትምርቐንስ፥ ተስእ እሞ ኻብቲ ኣነ ወድኻ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ኣቦኡ ይስሓቅ ከዓ “ንስኻኸ መን ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ይስሓቅ የመና ደንገፀ እሞ፥ “እቲ ሃዲኑ ዝብላዕ ዘምፅአለይ፥ ኣነ ኸዓ ገና ንስኻ እንተይመፃእኻ፥ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ? ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="34">ኤሳው ቃል ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፥ የመና ዓው ኢሉ መሪር ብኽያት በኸየ፤ ነቦኡ ኸዓ “ኣቦይ! ንኣይውን መርቐኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ይስሓቅ ድማ “ንምርቓኻስ ሓውካ መፂኡ ብተንኰል ወሲድዎ” በሎ።</verse>
				<verse number="36">ኤሳው ከዓ “ያእቆብ ክልተ ሻዕ ኣሰናኺሉኒ፤ ቅድም ብዅርናይ፥ ሕዚ ኸዓ እንሆ ምርቓይ ወሰደ። ብቐደሙስ እንተ ኾነ ስሙ ያእቆብዶ ኣይኮነን! ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="37">ይስሓቅ ከዓ መሊሱ ንኤሳው “እንሆ፥ ንሓውካ ጐይታኻ ገበርክዎ፤ ኵሎም ኣሕዋቱውን ኣገልገልቱ ክኾኑ ሃብክዎ፤ ብስርናይን ወይንን ድማ ኣሀብተምክዎ። ሕዚ እሞ ወደይ፥ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ኤሳው ድማ “ኣታ ኣቦይ! ሓንቲ ምርቓ ጥራሕ ድያ ዘላትካ? ንኣይውን እባ መርቐኒ” በሎ። ኤሳውውን ዓው ኢሉ ኽበኪ ጀመረ።</verse>
				<verse number="39">ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ መሊሱ፦ “እንሆ፥ መነባብሮኻ ኻብ ስብሒ ምድሪ፥ ካብ ላዕሊ ኻብ ዝርከብ ጠሊ ሰማይ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="40">ብሰይፍኻ ኽትነብር፥ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ፤ ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="42">ንርብቃ ድማ ሓሳብ ዓብዪ ወዳ ኤሳው በፅሓ። ነቲ ንእሽተይ ወዳ ያእቆብ ከዓ ኣፀዊዓ ኣምፅኣቶሞ “እንሆ ኤሳው ሓውካ ኽቐትለካ ይደሊ ኣሎ።</verse>
				<verse number="43">ሕዚ ኸዓ፥ ወደይ! ኣነ ዝብለካ ግበር፤ ተስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባ፥ ናብ ምድሪ ካራን ህደም።</verse>
				<verse number="44">ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዝዝሕል፥ ነቲ ዝገበርካዮ ድማ ኽሳዕ ዝርስዖ፥ ንቑሩብ ጊዜ ምስ ላባ ተቐመጥ፤ ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምፅአካ እየ። ስለ ምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም?” በለቶ።</verse>
				<verse number="45"></verse>
				<verse number="46">ርብቃ ኸዓ ንይስሓቅ “ብሰንኪ ኣጓላት ኬጢ ምንባረይ ፀላእኹ። ያእቆብ ካብ ኣጓላት ኬጢ፥ ካብ ኣጓላት እዛ ሃገር እዚኣ፥ ከምዚኣተን ዝበለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ብህይወት ምንባር ንኣይ እንታየይ እዩ?” በለቶ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ሽዑ ይስሓቅ ንያእቆብ ፀዊዑ መረቖ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ።</verse>
				<verse number="2">ተሲእኻ፥ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት ናብ እንዳ ኣቦሓጐኻ ባቱኤል ኪድ፤ ኣብኡ ኸዓ ኻብ ኣጓላት ኣኮኻ ላባ ሰበይቲ ኣእቱ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ድማ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕኻን።</verse>
				<verse number="4">እዛ ተሰዲድካላ ዘለኻ፥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፥ ንኣኻን ንዘርእኻን በረከት ኣብርሃም ይሃብካ፤ ንዘርእኻውን ከማኻ።”</verse>
				<verse number="5">ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት፥ ናብ እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ እኖ ያእቆብን ኤሳውን ናብ ዝኾነ ላባ ወዲ ባቱኤል ከደ።</verse>
				<verse number="6">ኤሳው ከዓ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፥ ካብኡ ሰበይቲ ኸእቱ ድማ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ከም ዝሰደዶ፥ ክምርቖ እንተሎውን፥ ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ፥ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፥</verse>
				<verse number="7">ያእቆብ ድማ ትእዛዝ ኣቦኡን እኖኡን ሰሚዑ፥ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ኸም ዝኸደ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="8">ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ፥ ንጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓፍቲ ነባዮት ንማሓላት ኣእተዋ።</verse>
				<verse number="10">ያእቆብ ከዓ ኻብ ቤርሳቤህ ወፂኡ፥ ናብ ካራን ክኸይድ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="11">ፀሓይ ዓሪባ ነበረት እሞ፥ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ኣብኣ ሓደረ። ካብታ ቦታ ሓንቲ እምኒ ወሲዱ ድማ ተተርኢስዋ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="12">ብሕልሙ ድማ ሓንቲ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ እትበፅሕ መሳልል ተተኺላ ረኣየ። መላእኽቲ እግዚኣብሄር ድማ ብኣኣ ይድይቡን ይወርዱን ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።</verse>
				<verse number="14">ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ።</verse>
				<verse number="17">ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ድማ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርሕ እያ! እዚኣ ቤት እግዚኣብሄር እያ እምበር፥ ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” በለ።</verse>
				<verse number="18">ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።</verse>
				<verse number="19">ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="20">ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥</verse>
				<verse number="21">ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="22">እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ያእቆብ ድማ ኻብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ምብራቓውያን ከደ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ድማ ኣብ ሜዳ፥ ዒላ ረአየ። እቲ ዒላ መጓሰታት ዝሰትያሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ዐይመን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ዝነበረ እምኒ ኸዓ ዓብዪ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኵለን መጓሰታት ናብኡ ምስ ተኣከባ፥ እቶም ጓሶት ነቲ እምኒ፥ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጢሎም፥ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ። መጓሰኦም ምስ ኣስተዩ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ መሊሶም ይገጥምዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ያእቆብ ከዓ “ነቶም ጓሶት ኣቱም ኣሕዋተይ! ካበይ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ካብ ካራን ኢና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ድማ “ንላባ ወዲ ናኮር ትፈልጡዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንፈልጦ” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">“ደሓንዶ ኣሎ?” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ ደሓን ኣሎ፤ ራሄል ጓሉ እኳ እኒሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመፅእ ኣላ” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ያእቆብ ከዓ “እንሆ፥ ገና ቐትሪ እዩ ዘሎ፥ ከፍቲ ዝእከባሉ ጊዜ ኣይኮነን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኼድኩም ኣብልዕወን” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ድማ “ኵለን መጓሰታት ክሳዕ ዝእከባ፥ ነቲ እምኒ ኸዓ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኽሳዕ ዝግምጥልዎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ድሕሪኡ ኢና ነተን ኣብጊዕ እነስትየን” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ራሄል ባዕላ ኣባጊዕ ኣቦኣ ትጓሲ ነበረትሞ፥ ያእቆብ ገና ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መፀት።</verse>
				<verse number="10">ያእቆብ ድማ ንራሄል ጓል ኣኮኡ ላባን ነባጊዕ ኣኮኡን ምስ ረአየ፥ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጠሎ። ነባጊዕ ኣኮኡ ላባ ድማ ኣስተየን።</verse>
				<verse number="11">ያእቆብ ድማ ንራሄል ሰዓማ፥ ዓው ኢሉውን በኸየ።</verse>
				<verse number="12">ያእቆብ ድማ ንራሄል ዘመድ ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸዓ ጐይያ ኸይዳ ነቦኣ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="13">ላባ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓፍቱ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ጐየየ፤ ሓቚፉውን ሰዓሞ፤ ናብ ገዛኡ ድማ ኣእተዎ። ያእቆብ ከዓ እቲ ዅሉ ዝኾነ ነገር ንላባ ነገሮ።</verse>
				<verse number="14">ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="15">ላባ ድማ ንያእቆብ “ሓወይ ስለ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽተገልግለኒ ዄንካ? ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንላባ ኸዓ ኽልተ ኣጓላት ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፥ ስም እታ ንእሽተይ ከዓ ራሄል ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፤ ራሄል ግና መልክዐኛ፥ ትርኢታውን ፅብቕቲ ነበረት።</verse>
				<verse number="18">ያእቆብ ድማ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ፥ “ምእንቲ እታ ንእሽተይ ጓልካ ራሄል፥ ሸውዓተ ዓመት ከገልግለካ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ላባ ኸዓ፥ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፥ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፤ ምሳይ ተቐመጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ያእቆብ ከዓ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ኣገልገለ፤ ንኣኣ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ድማ ኸም ውሑዳት መዓልቲታት ኾይነን ተርአያኦ።</verse>
				<verse number="21">ያእቆብ ከዓ ንላባ “ጊዜይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ክምርዐዋስ ሕፂተይ ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ላባ ንዅሎም ሰብ እታ ሃገር ኣኪቡ መርዓ ገበረ።</verse>
				<verse number="23">ምሸት ምስ ኮነ ድማ ላባ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፥ ናብ ያእቆብ ኣእተዋ፤ ያእቆብውን ናባኣ ኣተወ።</verse>
				<verse number="24">ላባ ድማ ነታ ኣገልጋሊቱ ዘለፋ ንጓሉ ልያ ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ።</verse>
				<verse number="25">ምስ ወግሐ እንሆ ንሳ ልያ ኾይና ተረኽበት፤ ያእቆብ ድማ ንላባ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ዘገልገልኩኻ? ስለ ምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ላባ ድማ “ምዕባያ እናሃለወት ንምንኣሳ ምምርዓው ኣብ ሃገርና ኣይተለምደን፥</verse>
				<verse number="27">ነዛ ሰሙን ሕፅኖት እዚኣ ፈፅም እሞ፥ ስለ እቲ ምሳይ ካልእ ሸውዓተ ዓመት እተገልግሎ ኣገልግሎት፥ ንራሄል ድማ ኽህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ያእቆብ ከዓ ኸምኡ ገበረ፤ ሰሙን ሕፅኖትውን ወድአ። ብድሕሪኡ ላባ ንጓሉ ራሄል ሰበይቱ ኽትኮኖ ሃቦ።</verse>
				<verse number="29">ነታ ኣገልጋሊቱ ባላ ንጓሉ ራሄል ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ።</verse>
				<verse number="30">ያእቆብ ናብ ራሄል ኣተወ። ንራሄል ከዓ ኻብ ልያ ኣብሊፁ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ኻልእ ሸውዓተ ዓመት ንላባ ኣገልገሎ።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት።</verse>
				<verse number="32">ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="33">መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር ከም ዝተፀላእኹ ስለ ዝሰምዐ ነዙይ ድማ ሃበኒ” በለት፤ “ስምኦን” ኢላውን ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="34">መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="35">መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፥ ወዲውን ወለደት። “ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” በለት። “ይሁዳ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሽዑ ምውላድ ኣቋረፀት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ብሓፍታ ቐንአት፤ ንያእቆብ ከዓ፥ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽመውት እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንራሄል “ኣነ ውሉድ ክህበክን ክኸልአክን ዝኽእል እግዚኣብሄር ድየ?” በላ።</verse>
				<verse number="3">ንሳ ኸዓ፥ “እኒሃ፥ ኣገልጋሊተይ ባላ፥ ኣብ ብርከይ ትውለድ፤ ደቃ ኸዓ ንኣይ ምእንቲ ክኾኑለይ፥ ናብኣ እቶ” በለቶ።</verse>
				<verse number="4">ንኣገልጋሊታ ባላ ኸዓ ሰበይቱ ኽትከውን ንእኡ ሃበቶ፤ ያእቆብ ድማ ናብኣ ኣተወ።</verse>
				<verse number="5">ባላ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ራሄል፥ “ኣምላኽ ፍትሒ ኣውፂኡለይ፤ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ” በለት፤ “ዳን” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="7">ባላ ኣገልጋሊት ራሄል መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ራሄል “ብርቱዕ ቓልሲ ምስ ሓፍተይ ተቓለስኩ እሞ ሰዓርኩ” በለት፤ “ንፍታሌም” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="9">ልያ ኸዓ ምውላድ ከም ዘቋረፀት ምስ ረአየት፥ ንኣገልጋሊታ ዘለፋ ወሲዳ፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ንያእቆብ ሃበቶ።</verse>
				<verse number="10">ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ልያ፥ “ዕድለኛ እየ” በለት፤ “ጋድ” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="12">ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ፥ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="13">ልያ ኸዓ፥ “ተሓጕሰ እየ እሞ፥ ‘ኣንስቲ ሕጕስቲ’ ኽብላኒ እየን” በለት። “ኣሴር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="14">ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዕፀደሉ ወርሓት ንበረኻ ወፈረ እሞ፥ ምልዖ ረኸበ፤ ንኖኡ ልያ ድማ ኣምፅአላ። ሽዑ ራሄል ንልያ “ካብዝ ምልዖ ወድኺ ሃብኒ?” በለታ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ኸዓ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንኢሱክስ፥ ምልዖ ወደይ ድማ ኽትወስዲ?” በለታ። ራሄል ድማ፥ “እምበኣር ክንዲ ምልዖ ወድኺ ነዛ ለይቲ እዚኣ ያእቆብ ምሳኺ ይሕደር” በለታ።</verse>
				<verse number="16">ምሸት ያእቆብ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ልያ ኽትቅበሎ ወፀት። “ብምልዖ ወደይ ዓዲገካ እየ እሞ፥ ምሳይ ኢኻ እትሓድር” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ያእቆብ ምስኣ ሓደረ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንልያ ሰምዓ እሞ፥ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="18">ልያ ድማ “መገልገሊተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፥ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” በለት፤ “ይሳኮር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="19">ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="20">ልያ ድማ “ኣምላኽ ሰናይ ውህብቶ ሂቡኒ፥ ሕዚ ሽዱሽተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ” በለት፤ “ዛብሎን” ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="21">ድሕሪዙይ ጓል ወለደት፤ “ዲና” ኢላውን ሰመየታ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ፀሎታ ስለ ዝሰምዐ ድማ ማህፀና ኸፈተላ።</verse>
				<verse number="23">ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ኣምላኽ ውርደተይ ኣርሒቑለይ” ድማ በለት።</verse>
				<verse number="24">“እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ይወስኸኒ” እንትትብል “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="25">ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፥ ያእቆብ ንላባ፦ “ናብ ዓደይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሰናብተኒ።</verse>
				<verse number="26">እተን ምእንትኣተን ዘገልገልኩኻ ኣንስተይን ደቀይንውን ሃበኒ። እቲ ዘገልገልኩኻ ኣገልግሎት ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፥ ክኸይድ ኣሰናብተኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ላባ ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፥ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣለኹ እሞ፥</verse>
				<verse number="28">ዓስብኻ ንገረኒ ኽህበካ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ያእቆብ ከዓ፥ “ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከፍትኻውን ኣነ ኽጓስየን እንተለኹ ኸመይ ከም ዝበዝሓን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="30">ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ላባ ድማ “እንታይ እሞ ኽህበካ?” በሎ። ያእቆብ ከዓ፥ “ሓደ እኳ ኣይትሃበኒ። ከምዙይ እንተ ገበርካለይ ግና ነባጊዕኻ መሊሰ ኽጓስየንን ክከናኸነንን እየ።</verse>
				<verse number="32">ሎሚ ንዅለን መጓሰኻ ኽዀለን እየ፤ ካብኣተን ከዓ ነተን ትኳዕ ትኳዕ ዘለወን ውርውራይ ኣባጊዕን፥ ውፁኣት ፀለምቲ ለያሙን፥ ውርውራይ ዝኾና ኣጣልን ኽፈሊ እየ እሞ፥ ንሳተን ዓስበይ ይኹና።</verse>
				<verse number="33">ካብ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ክትፀባፀብ ምስ መፃእኻ፥ ሽዑ ቕኑዕ ምዃነይ ክትርኢ ኢኻ። ውርውራይ ዘይኮና ኣጣል፥ ውፁኣት ፀለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ኣባይ እንተ ተረኽባ፥ ከም ዝተሰርቃ ይቈፀረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ላባ ኸዓ “ሕራይ፤ ከም ዝበልካዮ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="35">በታ መዓልቲ እቲኣ ላባ ነቶም ውርውራይ ዘለዎም ብርሆታት ወጣጡን፥ ንዅለን ነተን ብርሆታትን ዝንጕርጕር ኣጣልን፥ ፃዕዳ ዘለወን ኵለን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ዅለን ፀለምቲ ፈልዩ ንደቁ ሃቦም።</verse>
				<verse number="36">ካብቲ ያእቆብ ዝነበሮ ኸዓ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓቐን። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባ ይጓሲ ነበረ።</verse>
				<verse number="37">ያእቆብ ከዓ ኸራውሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝበሃሉ ኣእዋም ርሑስ ኣብትርቲ ቘረፀ፤ ወሲዱውን ነቲ ኣብትርቲ ውርውራይ ገይሩ ቐለጦ።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ውርውራይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፥ ኣብቲ እተን መጓሰታት መፂአን ዝሰትያሉ ጋብላታት፥ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ ኽሰትያ ምስ መፃ ይሃርፋ ነበራ።</verse>
				<verse number="39">እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ምስተሰረራ፥ ውርውራይን ትኳዕ ትኳዕን ብርሆታትን ወለዳ።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ያእቆብ ነተን መሓስእ ፈለየን። ነተን መጓሰ ኸዓ ኣብ መንፅር እተን ውርውራይን ውፁኣት ፀለምትን መጓሰ ላባ ገበረን። ንመጓሰኡ ግና ንበይነን ገበረን እምበር ምስ መጓሰ ላባ ኣይሓወሰንን።</verse>
				<verse number="41">በቲ እተን ደዐኛታት ኣባጊዕ ዝስረራሉ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኽስረራ፥ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ።</verse>
				<verse number="42">እተን ድኹማት ኣባጊዕ ኣብ ዝስረራሉ ጊዜ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዝ ኸምዙይ ከዓ እተን ድኹማት ንላባ፥ እተን ደዐኛታት ድማ ንያእቆብ ኮና።</verse>
				<verse number="43">ያእቆብ ከዓ የመና ሃብተመ። ብዙሓት መጓሰታትን ሓሻኽርን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግንውን ኣጥረየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ደቂ ላባ “እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፤ ኵሉ እዝ ሃብቲ እዙይ ከዓ ኻብ ኣቦና ዝረኸቦ እዩ” ኢሎም ክዛረቡ እንተለዉ ያእቆብ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብቲ መጓሰኡ ዝነበራኦ በረኻ ፀውዐን።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይውን በለን፦ “ገፅ ኣቦኻትክን፥ ከም ቀደሙ ኣባይ ፅቡቕ ከም ዘይኮነ እርኢ ኣለኹ። ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነይሩ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ነቦኻትክን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎውን ንስኻትክን ትፈልጣ ኢኽን።</verse>
				<verse number="7">ኣቦኻትክን ግና ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ እናለዋወጠ ሸፈጠኒ፤ ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሄር ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ‘ውርውራይ ዝኾና ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለኒ፥ ኵለን መጓሰ ውርውራይ ወለዳ። ‘ዓስብኻ ብርሆታት ይኹና’ ምስ በለኒ ኸዓ፥ ኵለን መጓሰ ብርሆታት ወለዳ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እግዚኣብሄር ጥሪት ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="10">“በቲ እተን መጓሰ ዝስረራሉ ጊዜ ሓለምኩ፤ እንሆ እቶም ነተን መጓሰ ዝሰርወን ተባዕትዮ ብርሆታትን ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝነበሩ ረአኹ።</verse>
				<verse number="11">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ብሕልሚ ‘ያእቆብ’ ኢሉ ፀውዐኒ። ኣነ ኸዓ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።</verse>
				<verse number="12">ንሱውን ዓይንኻ ቛሕ ኣብልሞ ‘እንሆ እዞም ነዘን መጓሰ ዝሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ብርሆታት፥ ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝኾኑ ረአ። እዙይ ከዓ ነቲ ላባ ዝበደለካ ስለ ዝረአኹ እየ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሓወልቲ ዝቐባእኻሉን፥ ኣብኡ ድማ መብፅዓ ዝተመባፃዕኻለይን ኣምላኽ ቤቴል ኣነ እየ። ሕዚ ተስእ እሞ ኻብዛ ሃገር እዚኣ ወፂእኻ ናብታ ዝተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ” በለን።</verse>
				<verse number="14">ራሄልን ልያን ከዓ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ሃልዩና?</verse>
				<verse number="15">ንኣና ሸይጡ ዋጋና ኻብ በልዐኸ፥ ከም ጓኖትዶ ቘፂሩና ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="16">እቲ እግዚኣብሄር ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፥ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ። ሕዚ ኸዓ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝበለካ ግበር” ኢለን መለሳሉ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ያእቆብ ተልዓለ ንደቁን ነንስቱን ኣብ ኣግማል ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="18">ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ፥ ኵሉ መጓሰኡ ምስቲ ዅሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሩባታት እንተሎ ዘጥረዮ ሃብቲ ሒዙ ኸደ።</verse>
				<verse number="19">ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት።</verse>
				<verse number="20">ያእቆብ ድማ፥ ነቲ ሶርያዊ ላባ ኸም ዝኸይድ እንተይነገረ መሊቑ ኸደ።</verse>
				<verse number="21">ዘለዎ ዅሉ ሒዙውን ሃደመ፤ ሩባ ተሳጊሩ ድማ ጕዕዞኡ ናብ እምባ ገለዓድ ኣቢሉ ኣቕንዐ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ኣዝማዱ ሒዙ ደድሕሪኡ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓቦ። ኣብ እምባ ገለዓድ ድማ ኣርከቦ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ግና ብሕልሚ፥ ለይቲ ናብ እቲ ሶርያዊ ላባ መፂኡ “ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ እምባ ተኺሉ ነበረ፤ ላባ ድማ ኣርከቦ፤ ምስ ሰቡ ኸዓ ድንኳኑ ኣብ እምባ ገለዓድ ተኸለ።</verse>
				<verse number="26">ላባ ኸዓ ንያእቆብ ከምዙይ በሎ፦ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ? ንኣይ ኣታሊልካዶ፥ ነዋልደይ ኣብ ውግእ ከም ዝተማረኻ ዀብኰብካየን?</verse>
				<verse number="27">ስለ ምንታይ ብስውር ሃደምካ ኻባይ ከዲዕኻ ዀብለልካ? ነጊርካኒ እንተትኸውንስ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።</verse>
				<verse number="28">ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ናይ ሰነፍ ስራሕ ኢኻ ዝገበርካ።</verse>
				<verse number="29">ጕድኣት ከብፅሐልካ ምኸኣልኩ ነይረ፤ እንተ ኾነ ኣምላኽ ኣቦኻ ትማሊ ለይቲ ‘ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ክፉእ ኸይትዛረቦ’ ኢሉ ኣጠንቀቐኒ።</verse>
				<verse number="30">ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ያእቆብ ድማ ንላባ “ነጓላትካ ብሓይሊ ኸይተሕድገኒ ስለ ዝፈራሕኹ እየ እዙይ ዝገበርኩ።</verse>
				<verse number="32">ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ላባ ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን እተን ክልተ ኣገልገልትን ኣተወ፤ ነቶም ኣማልኽቲ ግና ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወፂኡ ድማ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ።</verse>
				<verse number="34">ራሄል ከዓ ነቶም ጣዖታት ወሲዳ ኣብ ትሕቲ ኮረቻ ግመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኣቶም ኮፍ በለት። ላባ ድማ ንዅሉ ድንኳን ጐርጐሮ፤ ክረኽቦም ግና ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="35">ንሳ ኸዓ ነቦኣ “እቲ ኣብ ኣንስቲ ዝበፅሕ በፂሑኒ እዩሞ፥ ተሲአ ኽቕበለካ ብዘይ ምኽኣለይ ኣይትዀሪ” በለቶ፤ ንሱ ኸዓ ደለየ፤ ነቶም ጣዖታት ግና ኣይረኸቦምን።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንላባ ኸምዙይ ኢሉ ወቐሶ፦ “እቲ ብናህሪ ደድሕረይ ክትግስግስ ዝገበረካ በደለይ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="37">እምበኣር ንዅሉ ኣቑሑተይ ጐርጐርካ፥ ካብ ኣቑሑት ገዛኻ እንታይ ረኸብካ? ኣብ መንጎ ኽልቴና ኽፈርዱስ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ ኣዝማደይን ኣዝማድካን ኣምፅኣዮ።</verse>
				<verse number="38">ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነበርኩ፤ ካብ ጤለ በጊዕኻ ዘውሃየት ኣይነበረትን፤ ካብ መጓሰኻውን ሓደ ጡበት በጊዕ እኳ ኣይበላዕኹን።</verse>
				<verse number="39">ኣራዊት ዝቐተላ ኣምፂአልካ ኣይፈልጥን፤ እኳ ደኣ ባዕለይ እኸፍለካ ነበርኩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ ዝተሰርቀት ድማ ኻባይ ትደልያ ነበርካ።</verse>
				<verse number="40">ሃሩር ብመዓልቲ፥ ኣስሓይታ ድማ ብለይቲ የሳቕየኒ ነበረ፤ ድቃስውን ካብ ዓይነይ ጠፊኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="41">ከምዙይ ኢለ እየ ዕስራ ዓመት ኣብ ገዛኻ ዝነበርኩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣጓላትካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕኻ ኣገልገልኩኻ፤ ምስዙይ ከዓ ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ ለዋወጥካ።</verse>
				<verse number="42">ናይ ኣቦይ፥ ናይ ኣብርሃም ኣምላኽ፥ እቲ ይስሓቅ ዝፈርሖ ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፥ ብርግፅ ሕዚ ጥራሕ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ፃዕረይን ሪኡ ትማሊ ለይቲ ገሰፀካ” በሎ።</verse>
				<verse number="43">ላባ ድማ ንያእቆብ “እዘን ኣጓላት ደቀይ እየን፤ እዞም ቈልዑውን ደቀይ እዮም፤ እዘን መጓሰታት ከዓ መጓሰታተይ እየን፤ እዝ እትሪኦ ዘለኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ደኣ ነዘን ኣጓላተይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብሮም እኽእል?</verse>
				<verse number="44">ሕዚ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ክኸውንስ፥ ነዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ” በሎ።</verse>
				<verse number="45">ያእቆብ ከዓ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ተኸለ።</verse>
				<verse number="46">ነቶም ኣሕዋቱ ድማ “ኣእማን ኣክቡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣእማን ኣኪቦም ኰመሩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅምራ ድማ በልዑ።</verse>
				<verse number="47">ላባ ነቲ ዅምራ እምኒ “ኵምራ ምስክር” ኢሉ ሰመዮ፤ ያእቆብ ከዓ “ገለዓድ” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="48">ላባ ድማ፥ “ሎሚ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን” በለ። ስለዙይ ስሙ ገለዓድ ተብሃለ።</verse>
				<verse number="49">ላባ “ንሕና ኻብዙይ ምስተፈላለና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ “ምፅጳ” ተብሃለ።</verse>
				<verse number="50">“ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="51">ላባ ድማ መሊሱ ንያእቆብ “እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ እንሆ፥ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲውን እንሆ፥</verse>
				<verse number="52">ኣነ ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ሓሊፈ ኸየጥቅዐካ፥ ንስኻውን ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይን ነዝ ሓወልቲ እዙይን ሓሊፍካ ኸይተጥቅዐኒ፥ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ምስክር ይኹን፥ እዝ ሓወልቲ እዙይውን ምስክር ይኹን።</verse>
				<verse number="53">ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ።</verse>
				<verse number="54">ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ።</verse>
				<verse number="55">ላባ ኸዓ ብፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣወዳትን ንኣጓላትን ደቁ ድማ፥ ስዒሙን መሪቑን ተሰናበቶም፤ ተልዒሉውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ያእቆብ ድማ መንገዱ ቐፀለ፤ መላእክቲ እግዚኣብሄር ከዓ ተራኸብዎ።</verse>
				<verse number="2">ያእቆብ ምስ ረአዮም “እዙይ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ” በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ “መሃናይም” ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="3">ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ሓሽከርካ ያእቆብ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንጐይታይ ኤሳው ንገርዎ፦ ምስ ላባ ነበርኩ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተቐመጥኩ።</verse>
				<verse number="5">ከፍትን ኣእዱግን ጤለ በጊዕን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣገልገልትን ኣለዉኒ። ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ፥ ንኣኻ ንጐይታይ ክነግሩኻ ልኡኻት ለኣኽኩ።”</verse>
				<verse number="6">እቶም ልኡኻት ከዓ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም “ናብ ሓውካ ኤሳው በፂሕና፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ ሒዙ ኽቕበለካ ይመፅእ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ያእቆብ የመና ፈርሐ፤ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰባትን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ኽፋል ከፈሎም፤</verse>
				<verse number="8">“ኤሳው መፂኡ ነቲ ሓደ ኽፋል እንተጥቅዖ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ይድሕን” ኢሉውን ሓሰበ።</verse>
				<verse number="9">ያእቆብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሓቅን! ‘ናብ ምድርኻን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፥ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ እግዚኣብሄር፦</verse>
				<verse number="10">እዝ ዅሉ ንኣይ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ዘይግብአኒ እዩ። ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ሓንቲ በትሪ ሒዘ እየ ዝተሳገርክዋ። ሕዚ ግና ኽልተ ኽፋል ሰራዊት ኮይነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">መፂኡ ኸየጥፍአና፥ ንእኖታትውን ምስ ደቀን ከይወቅዕ እፈርሕ ኣለኹ እሞ፥ በይዛኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="12">‘ብዙሕ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ፤ ንዘርእኻውን ምብዛሑ ኽቝፀር ከም ዘይከኣል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ኔርካ።”</verse>
				<verse number="13">ያእቆብ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኣ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንሓዉ ኤሳው ዝኸውን ገፀ በረከት ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="14">ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣጣል ዕስራ ዲበላታትን፥ ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣባጊዕን ዕስራ ማጓሉን፥</verse>
				<verse number="15">ሰላሳ ዘጥብዋ ኣግማል መምስ ውላደንን፥ ኣርብዓ ኣላሕምን ዓሰርተ ኣብዑርን፥ ዕስራ ኣንስትዮ ኣእዱግን ዓሰርተ ፃዕብታት ኣእዱግን፥</verse>
				<verse number="16">ነዚኣተን በብመጓሰአን ከፋፊሉ ንኣገልገልቱ ሃቦም። “መጓሰ ካብ መጓሰ ኣረሓሒቕኩም ከዓ ቐቅድመይ ሕለፉ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ቐዳማይ፥ “ሓወይ ኤሳው ምስ ረኸበካ እሞ፥ ‘ናይ መን ኢኻ? ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ? እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ፥ ናይ መን እየን?’ ኢሉ እንተ ጠየቐካ፥</verse>
				<verse number="18">‘ንጐይታይ ኤሳው ገፀ በረከት ዝሰደደን ናይ ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እየን፤ ንሱ ድማ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ’ በሎ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፥ ነቶም መጓሰታት ዝዅብኩቡ ዅሎምን፥ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ ኸምኡ በልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="20">ብፍላይ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ” ምባል ኣይትረስዑ። ያእቆብ “በዝ ቐቅድመይ ዝኸይድ ዘሎ ገፀ በረከት ከዝሕሎ እየ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ገፁ እርኢ፤ ምናልባሽ ብፅቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="21">በዝ ኸምዙይ እቲ ገፀ በረከት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።</verse>
				<verse number="22">በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ያእቆብ ተሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ኣገልገልቱን ዓሰርተ ሓደ ደቁን ሒዙ ንሩባ ያቦቅ ተሳገረ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ሩባ ምስ ኣሳገረን፥ ዘለዎ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣሳገረ።</verse>
				<verse number="24">ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ኸዓ ኸም ዘየሰነፎ ምስ ረአየ፥ ንያእቆብ ምሕዅልቱ ነኽኦ፤ ያእቆብ ድማ ኽቃለስ እንተሎ ምሕዅልቱ መለቘት።</verse>
				<verse number="26">እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሰብኣይ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ስመይ ያእቆብ” እዩ ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="28">ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።</verse>
				<verse number="30">ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="31">ካብ ጰኒኤል ክለዓል እንተሎ ፀሓይ በረቐቶ። ምሕዅልቱ መሊቛ ስለ ዝነበረት ከዓ ይሕንክስ ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ያእቆብ ኣብቲ መፈላለዪ ምሕዅልቱ ስለ ዝተወቕዐ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋላለዪ ምሕዅልቲ ሹሉዳ ኣይበልዑን እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ያእቆብ ከዓ ዓይኑ ኣልዒሉ እንሆ፥ ኤሳው ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ኣኸቲሉ ኽመፅእ እንተሎ ኣማዕድዩ ረአየ። ሽዑ ነቶም ደቁ፥ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲአን እተን ኣገልገልትን መቓቐሎም።</verse>
				<verse number="2">ነተን ኣገልገልትን ንደቀንን ቅድሚት፥ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪአን፥ ንራሄልን ንዮሴፍን ከዓ ድሕሪ ዅሎም ገበሮም።</verse>
				<verse number="3">ያእቆብ ከዓ ቕድሚኦም ሓሊፉ፥ ናብ ሓዉ ኤሳው ክሳዕ ዝበፅሕ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ምድሪ ሰገደ።</verse>
				<verse number="4">ኤሳው ድማ እናጐየየ ተቐበሎ፤ ክሳዱ ሓቝፉ ድማ ሰዓሞ፤ ክልቲኦምውን በኸዩ።</verse>
				<verse number="5">ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እተን ኣገልገልቲ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳሉ።</verse>
				<verse number="7">ልያን ደቃንውን ቐሪቦም ሰገዱሉ። ደሓር ድማ ዮሴፍን ራሄልን ቐሪቦም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="8">ኤሳው ከዓ “እዝ ዅሉ ዝረኸብክዎ መጓሰታትከ እንታይ እዩ? ንምንታይ ዝኸውንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">ኤሳው ከዓ፥ “ሓወይ፥ ኣነ ዝኣክል ኣለኒ፤ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ያእቆብ ድማ “ኣይፋልካን፤ ብሓጐስ ካብ ተቐበልካንስ፥ ገፅካ ምርኣይ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ከም ምርኣይ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ፥ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረከት ተቐበለኒ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ልግሱ ኣብዚሑለይ፥ ብዅሉውን ኣሀብቲሙኒ እዩ እሞ፥ እቲ ዝሰደድኩልካ ገፀ በረከት ተቐበል ደኣ” ኢሉ ግድን በሎ፤ ኤሳው ከዓ ተቐበሎ።</verse>
				<verse number="12">ኤሳው ድማ፥ “ንዑናይ ንኺድ፥ ኣነ ድማ ቐቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ያእቆብ ግና፥ “እዞም ቈልዑ ዘይጠንከሩ ህፃናት ከም ዝኾኑ፥ ዘጥብዋ ጤለ በጊዕን ከፍትን ከዓ ኸም ዘለዋኒ፥ ጐይታይ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ እኳ ብታህዋኽ እንተ ዀብኰብናየን ኵለን መጓሰ ኽሞታ እየን።</verse>
				<verse number="14">ጐይታይስ ቀቅድመይ ደኣ ሕለፍ፤ ኣነ ኣገልጋሊኻ ድማ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣብ ሴይር ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ከም ዓቕሚ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ኸብትን ከም ዓቕሚ እቶም ቈልዑን ገይረ ሰለይ እናበልኩ ኽመፅእ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ኤሳው ከዓ “እምበኣር ካብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባትዶ መቒለ ኽሓድገልካ” በሎ። ያእቆብ ግና “ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ እዙይስ ኣየድልን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኤሳው ናብ ሴይር ኣቢሉ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="17">ያእቆብ ግና ናብ ሱኮት ተጕዓዘ፤ ኣብኡውን ንባዕሉ ቤት ሰርሐ፤ ንጥሪቱውን ዳሳት ገበረ፤ ስለዙይ ስም እቲ ቦታ ሱኮት ተብሃለ።</verse>
				<verse number="18">ያእቆብ ድማ ኻብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ምስ መፀ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ ማዕዶ እታ ኸተማ ኸዓ ሰፈረ።</verse>
				<verse number="19">እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኻብ ኢድ ደቂ ኤሞር፥ ኣቦ ሴኬም፥ ብሚእቲ ኣባጊዕ ዓደጋ።</verse>
				<verse number="20">ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">እታ ኻብ ያእቆብ ዝተወለደት ጓል ልያ ዲና ነጓላት እቲ ሃገር ክትርኢ ወፀት።</verse>
				<verse number="2">ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን።</verse>
				<verse number="3">ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ።</verse>
				<verse number="4">ሴኬም ድማ ነቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ኣመርዕወኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ያእቆብ ድማ ሴኬም ንጓሉ ዲና ኸም ዘነወራ ሰምዐ፤ ደቁ ኸዓ ምስ ጥሪቱ ኣብ በረኻ ነበሩ እሞ፥ ደቁ ኽሳዕ ዝኣትዉ ስቕ በለ።</verse>
				<verse number="6">ኤሞር ኣቦ ሴኬም ከዓ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ከደ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ።</verse>
				<verse number="8">ኤሞር ድማ “ወደይ ሴኬም ብፍቕሪ ጓልኩም ልቡ ተማሪኹ እዩ እሞ፥ በይዛኻትኩም ሰበይቱ ኽትከውን ሃብዎ።</verse>
				<verse number="9">ምሳና ተዋሰቡ፤ ኣዋልድኩም ሃቡና፤ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ።</verse>
				<verse number="10">ምሳና ንበሩ፤ እኒሃ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፤ ኣብኣ ተቐመጡ፤ ንገዱ፤ ርስትውን ትኹንኩም” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ሴኬምውን ነቦኣን ነሕዋታን “ኣብ ቅድሜኹም ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ፤</verse>
				<verse number="12">ገዝምን ውህብቶን ከም ድልየትኩም ኣብዚሕኹም ኣዝዙኒ። ጥራሕ ነታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሃቡኒ እምበር፥ ዝኣዘዝኩምኒ ኽህብ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ደቂ ያእቆብ ከዓ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘነወራ፥ ንእኡን ነቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም።</verse>
				<verse number="14">ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ሓፍትና ንዘይተገረዘ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ እሞ፥ ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና።</verse>
				<verse number="15">ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ብምግራዝ ከማና እንተ ኾይንኩም ጥራሕ ኢና ሕራይ እንብለኩም፤</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኣጓላትና ንህበኩም፤ ኣጓላትኩም ከዓ ንወስድ፤ ምሳኻትኩም ንነብር፤ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን።</verse>
				<verse number="17">ሕራይ ኢልኩም እንተ ዘይተገሪዝኩም ግና፥ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።”</verse>
				<verse number="18">እዝ ዘረባዙይ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ደስ ኣበሎም።</verse>
				<verse number="19">እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ስለ ዝነበረ፥ እዝ ነገር እዙይ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ እንዳ ኣቦኡ ኸዓ ኻብ ኵሎም ዝኸበረ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦</verse>
				<verse number="21">“እዞም ሰባት እዚኣቶም ምሳና ብሰላም እዮም ዝነብሩ፤ እዛ ምድሪ ድማ እኒሃ፥ ንኣኣቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱን።</verse>
				<verse number="22">እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ዝቕመጡ፥ ምሳና ድማ ሓደ ህዝቢ ክኾኑ ሕራይ ዝብሉና፥ ከምቲ ንሳቶም ግሩዛት ዝኾኑ፥ ንሕናውን ኵሉ ተባዕታይና እንተ ተገረዘ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ጥሪቶምን ገንዘቦምን እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኮነን? ጥራሕ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፥ ምሳና ኽነብሩ እዮም” ድማ በልዎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ፥ ነቲ ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ዝበልዎ ሓሳብ ተቐበልዎ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ድማ ተገረዘ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽቕንዘዉ እንተለዉ፥ ክልተ ደቂ ያእቆብ፥ ኣሕዋት ዲና ስምኦንን ሌዊን፥ ሰሰይፎም ሒዞም እንተይተሓስበ፥ ነታ ኸተማ ሓደጋ ኣውደቑላ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ ቐተሉ።</verse>
				<verse number="26">ንኤሞርን ንወዱ ሴኬምን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐቲሎም፥ ንሓፍቶም ዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወፁ።</verse>
				<verse number="27">ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ።</verse>
				<verse number="28">ኣባጊዖምን ኣእዱጎምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኵሉ ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ በረኻ ዝነበረን ድማ ወሰዱ።</verse>
				<verse number="29">ኵሉ ጥሪታቶምን ኵሎም ህፃውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፤ ኣብ ቤት ንዝተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ።</verse>
				<verse number="30">ያእቆብ ከዓ ንስምኦንን ንሌዊን “በዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ከም ዝፅላእ ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምለይ። ኣነ ብቝፅሪ ውሑድ እየ፤ ንሳቶም ተኣኪቦም እንተ ወግኡኒ ኸዓ ኣነን ቤተይን ክንጠፍእ ኢና” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሓፍትና ኸም ኣመንዝራ ዝቘፅራ?” በሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንያእቆብ “ተስእ እሞ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኣውን ተቐመጥ። ካብ ሓውካ ኤሳው ሃዲምካ ኽትከይድ እንተለኻ ንዝተገለፀልካ እግዚኣብሄር መሰውኢ ስራሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ።</verse>
				<verse number="3">ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።</verse>
				<verse number="5">ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="6">ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሎዛ፥ ሕዚ ቤቴል ናብ እትበሃል መፁ፤</verse>
				<verse number="7">ኣብኣ ድማ መሰውኢ ሰርሐ። ካብ ሓዉ ኽሃድም እንተሎ እግዚኣብሄር ኣብኣ ስለ ዝተገልፀሉ፥ ነታ ቦታ “ኤል ቤቴል” ኢሉ ስም ኣውፅአላ።</verse>
				<verse number="8">መጕዚት ርብቃ ዝነበረት ዲቦራ ድማ ሞተት፤ ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ድማ ተቐበረት። “ኦም ብኽያት” ኢሎም ከዓ ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ያእቆብ ካብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ካብ ሶርያ ምስ ተመለሰ፥ መሊሱ ተገለፀሉ፤ ባረኾውን።</verse>
				<verse number="10">ቀፂሉውን “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም እስራኤል እምበር ያእቆብ ኣይትበሃልን ኢኻ” ድማ በሎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፥ ህዝብን ማሕበር ኣህዛብን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ነገስታትውን ካብ ሕቘኻ ኽወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ ኻብታ ምስ ያእቆብ ዝተዛረበላ ቦታ ንላዕሊ ዓረገ።</verse>
				<verse number="14">ያእቆብ ድማ ኣብታ ምስ እግዚኣብሄር ዝተዘራረበላ ቦታ ብእምኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣቖመ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኣፍሰሰ።</verse>
				<verse number="15">ያእቆብ ከዓ ነታ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝተዘራረበላ ቦታ፥ ቤቴል ኢሉ ስም ኣውፅአላ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ያእቆብን ስድራኡን ካብ ቤቴል ተልዓሉ። ንኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ መንገዲ ምስ ተረፎም፥ ራሄል ሕማም ሕርሲ ተትሓዘት፤ ፃዕሪ ኸዓ በርትዓ።</verse>
				<verse number="17">ሕርሲ በርቲዑዋ ኽትፀዓር እንተላ ድማ እታ መሕረሲት “ሕዚ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በለታ።</verse>
				<verse number="18">ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="19">ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት።</verse>
				<verse number="20">ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቖመ፤ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ፥ መቓብር ራሄል እዩ።</verse>
				<verse number="21">እስራኤል ከዓ፥ ካብኡ ተልዒሉ ድንኳኑ ኣብ መንፅር ግንቢ ጋዴን ተኸለ።</verse>
				<verse number="22">እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ራሄል፦ ዮሴፍ፥ ብንያም።</verse>
				<verse number="25">ደቂ እታ ኣገልጋሊት ራሄል ባላ፦ ዳን፥ ንፍታሌም።</verse>
				<verse number="26">ደቂ እታ ኣገልጋሊት ልያ ዘለፋ፦ ጋድ፥ ኣሴር። እዚኣቶም ኣብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ዝተወለዱ ደቂ ያእቆብ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ መምሬ፥ ናብ ቂርያትኣርባቅ መፀ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሓቅን ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ፥ ሕዚ ኬብሮን እትበሃል እያ።</verse>
				<verse number="28">ዕድመ ይስሓቅ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ኮነ።</verse>
				<verse number="29">ይስሓቅውን ነፍሱ ሃበ፤ ሞተውን፤ ኣሪጉ፥ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ናብ ወገናቱ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከዓ ቐበርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ኤዶም ናይ ዝተብሃለ ኤሳው ትውልዲ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ኤሳው ካብ ኣጓላት ከነዓን ኣንስቲ ኣእተወ፤ ንሳተንውን፦ ዓዳ ጓል ኤሎን ኬጢያዊ፥ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፅብዖን ኤዊያዊ፥</verse>
				<verse number="3">ቤሴሞት ጓል እስማኤል ሓፍቲ ነባዮት ነበራ።</verse>
				<verse number="4">ዓዳ ንኤሳው፥ ንኤሊፋዝ ወለደትሉ፤ ቤሴሞትውን ንራጉኤል ወለደት፤</verse>
				<verse number="5">ኣህሊባማ ንየዑስን ንያዕላምን ንቆሬን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝተወለዱ ደቂ ኤሳው እዮም።</verse>
				<verse number="6">ኤሳው፥ ኣንስትን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ደቁ፥ ኵሉ ስድራ ቤቱን ከፍቱን፥ ኵሉ እንስሳኡን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረዮ ገንዘቡን ሒዙ፥ ካብ ያእቆብ ሓዉ ርሒቑ ናብ ካልእ ሃገር ኸደ።</verse>
				<verse number="7">ጥሪቶም በዚሑ ስለ ዝነበረ ብሓደ ኽቕመጡ ኣይከኣሉን። ብዝሒ ኸፍቲ ስለ ዝነበሮም ድማ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ምድሪ ኽትኣኽሎም ኣይከኣለትን።</verse>
				<verse number="8">ኤሳው ድማ፥ ኣብ እምባ ሴይር ተቐመጠ። ኤሳው ከዓ፥ ኤዶም እዩ።</verse>
				<verse number="9">ናብቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ኤዶማውያን ኣቦ ናይ ዝኾነ ኤሳው ትወልዲ ኸምዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="10">ኤሊፋዝ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፥ ራጉኤል ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ኤልፋዝ ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ቲምናዕ ድማ ዕቅብቱ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ንኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ካብ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ደቂ ራጉኤል ከዓ፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ እዮም። እዚኣቶም ካብ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፂብዖን ሰበይቲ ኤሳው፦ የዑስ፥ የዕላማ፥ ቆሬ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ሹመኛታት ደቂ ኤሳው፥ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ወዱ ንኤሳው ድማ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ኦማር፥ ሹም ስፎ፥ ሹም ቄኔዝ፥</verse>
				<verse number="16">ሹም ቆሬ፥ ሹም ጎቶም፥ ሹም ኣማሌቅ እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ኤልፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ካብ ዓዳ ዝተወለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ናሖት፥ ሹም ዛራ፥ ሹም ሳማ፥ ሹም ሚዛህ። እዚኣቶም ሹመኛታት ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ደቂ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው እዮም።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ኣህሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ዑስ፥ ሹም የዕላማ፥ ሹም ቆሬ እዮም። እዚኣቶም ካብ ኣህሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው ዝውለዱ ሹመኛታት እዮም።</verse>
				<verse number="19">እዚኣቶም ደቂ ኤሳውን ሹመኛታቶምን እዚኣቶም እዮም፤ ንሱውን ኤዶም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ደቂ ሴይር ሖሪው ድማ፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብኦን፥ ዓና፥</verse>
				<verse number="21">ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ደቂ ሖሪው ደቂ ሶባል፥ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ደቂ ሎጣን፥ ሖሪን ሄማምን እዮም፤ ሎጣን ድማ ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ሶባል፥ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ኤባል፥ ስፎ፥ ኣውናም እዮም።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ፅብዖን፥ ኣያን ዓናን እዮም። ዓና ኣእዱግ ኣቦኡ ፅብዖን ኣብ ምድረ በዳ ኽጓሲ እንተሎ፥ ዓይንታት ፍሉሕ ማይ ዝረኸበ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ዓና፥ ዲሶንን ኣህሊባማ ጓል ዓናን እዮም።</verse>
				<verse number="26">ደቂ ዲሶን፥ ሔምዳንን ኤስባንን ይትራንን ክራንን እዮም።</verse>
				<verse number="27">ደቂ ኤፅር፥ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን እዮም።</verse>
				<verse number="28">ደቂ ዲሳን፥ ዑፅን ኣራንን እዮም።</verse>
				<verse number="29">ሹመኛታት ሖሪው ድማ፦ ሹም ሎጣን፥ ሹም ሶባል፥ ሹም ፅብዖን፥ ሹም ዓና፥</verse>
				<verse number="30">ሹም ዲሶን፥ ሹም ኤፅር፥ ሹም ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ሴይር ዘለዉ ሹመኛታት ሖሪው እዮም።</verse>
				<verse number="31">ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ገና እንተይነገሰ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ዝነገሱ ነገስታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦</verse>
				<verse number="32">ባላቅ ወዲ ቢዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፤ ከተማኡ ኸዓ ዲንሃባ ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="33">ባላቅ ምስ ሞተ፥ ኢዮባብ ወዲ ዛራሕ በዓል ባሶራ ተኪኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="34">ኢዮባብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሑሳም በዓል ሃገር ቴማኒ፥ ተኪኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="35">ሑሳም ምስ ሞተ ድማ፥ ሃዳድ ወዲ በዳድ፥ እቲ ንሰብ ምድያም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዝሰዓረ፥ ተኪኡ ነገሰ፤ ከተማኡ ድማ ዓዊት ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="36">ሃዳድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሳምላ በዓል መስሬቃ፥ ተኪኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="37">ሳምላ ምስ ሞተ፥ ሳኦል በዓል እታ ጥቓ ሩባ ዘላ ርሖቦት፥ ተኪኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="38">ሳኦል ምስ ሞተ፥ በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ተኪኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="39">በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ምስ ሞተ፥ ሃዳር ተኪኡ ነገሰ። ከተማኡ ድማ ፋዑ ትበሃል ነበረት። ሰበይቱ ኸዓ ሜሄጣብኤል ትበሃል ነበረት። ንሳ ጓል መጥሬድ ወዲ ሜዛሃብ እያ።</verse>
				<verse number="40">ሹመኛታት ኤሳው በብስሞም፥ በብዓሌታቶም፥ በብሃገሮም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ሹም ቲምናዕ፥ ሹም ዓልዋ፥ ሹም የቴት፥</verse>
				<verse number="41">ሹም ኣህሊባማ፥ ሹም ኤላ፥ ሹም ፊኖን፥</verse>
				<verse number="42">ሹም ቄኔዝ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ሚብሳር፥</verse>
				<verse number="43">ሹም ማግዲኤል፥ ሹም ዒራም እዮም። እዚኣቶም ከከም ርስቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ሹመኛታት ኤዶም እዮም። ኤሳው ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">ያእቆብ ኣቦኡ ሰደተኛ ኾይኑ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="2">ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">እስራኤል ንዮሴፍ ኣብ እዋን እርግናኡ ስለ ዝወለዶ፥ ካብ ኵሎም ደቁ ኣብሊፁ ይፈትዎ ነበረ፤ ብሕብሪ ቐለማት ዘጌፀ ቐሚሽውን ከደኖ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣሕዋቱ፥ ኣቦኣቶም ሕልፊ ዅላቶም ከም ዝፈትዎ ሪኦም ፀልእዎ፤ ብሕውነት ክዛረብዎ ድማ ኣይደለዩን።</verse>
				<verse number="5">ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ።</verse>
				<verse number="6">ዮሴፍ ድማ “ዝሓለምክዎ ሕልሚ ኽነግረኩም ስምዑ” በሎም፦</verse>
				<verse number="7">“ንሕና ኣብ ማእኸል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። ሽዑ እንዳእተይ ተሲኣ ቀጥ ኢላ ደው በለት። እንዳዕትታትኩም ከዓ ንእንዳዕተይ ከቢበን ሰገዳላ።”</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣሕዋቱ “እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ ኢኻ? ብሓቂዶኸ ኽትገዝአና ኢኻ?” በልዎ። መሊሶም ድማ፥ ብሕልምታቱን ብዘረባኡን የመና ፀልእዎ።</verse>
				<verse number="9">ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ነሕዋቱ ዝነገሮም ነቦኡ ድማ ነገሮ፤ ኣቦኡ ኸዓ “እዝ ዝሓለምካዮ እንታይ ዝሕልሙ እዩ? ብሓቂዶ ኣነን እኖኻን ኣሕዋትካን መፂእና፥ ኣብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና?” ኢሉ ገሰፆ።</verse>
				<verse number="11">ኣሕዋቱ ኸዓ ቐንኡሉ፤ ኣቦኡ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልቡ ይዓቝሮ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኣሕዋት ዮሴፍ ጥሪት ኣቦኣቶም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከይዶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እስራኤል ከዓ ንዮሴፍ “ኣሕዋትካ ኣብ ሴኬም ይጓስዩዶ ኣይኮኑን? ሕዚ ኸዓ ነዓ፤ ናብኣቶም ክልእኸካ” በሎ። ዮሴፍ ድማ “እኒሀኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣቦኡ ኸዓ “ኪድ እሞ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ሃልዮም፥ እተን ጥሪትውን ደሓን እንተ ሃልየን ርኢኻ፥ ወረኦም ኣምፅአለይ” ኢሉ፥ ካብ ሩባ ኬብሮን ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ናብ ሴኬም በፅሐ።</verse>
				<verse number="15">ኣብቲ በረኻ ኸርተት ክብል እንተሎ ድማ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ፤ ንሱ ኸዓ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="16">ዮሴፍ ድማ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካብዙይስ ተልዒሎም እዮም፤ ‘ናብ ዶታይን ንኺድ’ እንትብሉ ሰሚዐዮም ነይረ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፥ ኣብ ዶታይን ረኸቦም።</verse>
				<verse number="18">ኣሕዋት ዮሴፍ ካብ ርሑቕ ረአይዎ፤ ገና ናብኣቶም ከይቀረበ እንተሎ ኸዓ፥ ክቐትልዎ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="19">ንስንሳቶም ድማ “እንሆ እቲ ሓላሚ ይመፅእ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="20">ንዑ ንቕተሎ። ካብዘን ጐዳጕዲ ኣብ ሓዲአን ንደርብዮ እሞ ‘ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ’ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="21">ሮቤል ግና እዙይ ምስ ሰምዐ ኸድሕኖ ኢሉ “ኣይንቕተሎ፥</verse>
				<verse number="22">ብኢድኩም እኳ ኣይትንክእዎ፤ ኣብዝ በረኻ እዙይ ናብ ዘሎ ጕድጓድ ደርቢይዎ እምበር ደምስ ኣይተፍስሱ” በሎም። ሮቤል ከምዙይ ዝበለ፥ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ኽመልሶ ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ በፅሐ፥ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ነዊሕ በዓል ብዙሕ ሕብሪ ፅቡቕ ቀምሹ፥ ቀንጠጥዎ።</verse>
				<verse number="24">ሒዞም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ማይ ዘይብሉ ንቑፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">እንጀራ ኽበልዑ ምስ ተቐመጡ፥ እስማኤላውያን ነጋዶ ኻብ ገለዓድ ክመፁ እንተለዉ ረአዩ። ንሳቶም ኣብ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ፅዒኖም ናብ ግብፂ ዝወርዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ “ሓውና ቐቲልና፥ ደሙ እንተ ሓባእናስ፥ እንታይ ክዓብሰልና እዩ?</verse>
				<verse number="27">ንዑ ግዳ ነዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፤ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፥ ኣይንቕተሎ” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ብዘረባኡ ተሰማምዑ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="29">ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።</verse>
				<verse number="30">ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፥ “እቲ ቘልዓ የለን፤ ደጊም ናበይ እየ ዝኸዶ?” በለ።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ከዓ ወጠጦ ሓሪዶም ንቐምሽ ዮሴፍ ኣብ ደም ኣለኹዎ።</verse>
				<verse number="32">ነቲ ቐምሽ ናብ ኣቦኣቶም ሰዲዶም “እዙይ ረኺብና እሞ ቐምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ እስኪ ረአዮ” ድማ በልዎ።</verse>
				<verse number="33">ያእቆብ ከዓ ነቲ ቐምሽ ዮሴፍ ኣለልዩ “እዙይ ናይ ወደይ እዩ፤ ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ። ዮሴፍ ብርግፅ ተበሊዑ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="34">ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።</verse>
				<verse number="35">ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ግብፂ ድማ፥ እቶም ምድያማውያን ናብ ሓደ ኻብቶም ናይ ፈርዖን ኣዘዝቲ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ፥ ናብ ጲጥፋራ ሸጥዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">በቲ ወርሓት እቱይ ከዓ፥ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፥ ምስ ሓደ ኤራስ ዝስሙ ኣዶሎማዊ ሰብ ክቕመጥ ከደ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኡ ድማ ጓል ሓደ ሴዋ ዝስሙ ከነዓናዊ ሰብኣይ ረአየ፤ ወሰዳሞ ናብኣ ኣተወ።</verse>
				<verse number="3">ንሳ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ዔር ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="4">ደጊማ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ኣውናን ኢላ ድማ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="5">መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት።</verse>
				<verse number="6">ይሁዳ ድማ ንበዅሪ ወዱ ንዔር፥ ትእማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምፅአሉ።</verse>
				<verse number="7">በዅሪ ይሁዳ ዔር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ቐሰፎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ይሁዳ ንኣውናን “ኪድ እሞ ንሰበይቲ ሓውካ ውረሳ፤ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቑመሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣውናን ግና እቲ ሓድጊ ንእኡ ኸም ዘይኸውን ፈለጠ። ሽዑ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኽኣቱ እንተሎ፥ ንሓዉ ሓድጊ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ነቲ ዘርኡ ናብ ምድሪ የፍስሶ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ እሞ፥ ንእኡውን ቀሰፎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ ጓል ሴዋ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ምስ ወድአ ምስ ፈታዊኡ ኤራስ ኣዶላማዊ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቐርፁ ዝነበሩ ሰባት ናብ ተምና ደየበ።</verse>
				<verse number="13">ንትእማር ድማ “እንሆ ድማ ሓሙኺ ይሁዳ፥ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ናብ ተምና ይድይብ ኣሎ” ኢሎም ነገርዋ።</verse>
				<verse number="14">ንሳ ኸዓ፥ ሴሎም ዓብዩ እንተሎስ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተውሃበት ሪኣ ነበረት እሞ፥ ነቲ ኽዳን መበለትነታ ኣንቢራ፥ ብሻሽ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተምና ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="15">ይሁዳ ምስ ረአያ ድማ ገፃ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ኸዓ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ስለ ዘይፈለጠ፥ ናብቲ ንሳ ዝተቐመጠትሉ ወሰን መንገዲ ኣግሊሱ “በይዛኺ ናባኺ ኽኣቱ ፍቐድለይ?” በላ። ንሳ ድማ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ ትህበኒ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="17">“ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ ክሰደልኪ እየ” በላ። ንሳ ኸዓ “ክሳዕ እትሰደለይከ እንታይ ትሕጃ ትህበኒ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኸዓ “እንታይ ትሕጃ እሞ ኽህበኪ?” በላ። “ቀለበትካን ኣምባርካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሂብዋ ኸዓ ናብኣ ኣተወ፤ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት።</verse>
				<verse number="19">ተሲኣ ኸዓ ኸደት፤ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ፥ ከም ቀደማ ኽዳን መበለትነታ ተኸደነት።</verse>
				<verse number="20">ይሁዳ ድማ ነቲ ዘትሓዞ፥ ካብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ኢሉ፥ ብኢድ እቲ ፈታዊኡ በዓል ኣዱላም ጥቦት ጤል ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን።</verse>
				<verse number="21">ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት “እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መንገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ ኣመንዝራ ኣይነበረትን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="22">ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ “ኣይረኸብክዋን፥ እቶም ኣብታ ቦታ ዝነብሩ ኸዓ ‘ኣብዙይስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን’ ኢሎምኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ይሁዳ ድማ “ጥቦት ሰዲደላ ነይረ፥ ንስኻ ኸዓ ኣይረኸብካያን እሞ፥ ከይንዋረድስ ነቲ ዘትሓዝክዎ ትሕጃ ትውሰዶ” በለ።</verse>
				<verse number="24">ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="25">ምስ ኣውፅእዋ፥ ናብ ሓሙኣ ልኢኻ “እዝ ቐለቤት እዙይን፥ እዝ ኣምባር እዙይን፥ እዛ በትሪ እዚኣን፥ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ በይዛኻ ኣለልየን። ኣነ ኻብ ዋና እዘን ኣቑሑት እዚኣተን እየ ጠኒሰ ዘለኹሞ” በለቶ።</verse>
				<verse number="26">ይሁዳ ኸዓ ኣቑሑቱ ኣለልዩ፥ “ሓቃ እያ፤ ኣነ እየ ዝተጋጌኹ፤ ንሴሎም ወደይ ክህባ ይግብአኒ ነይሩ” በለ። ብድሕሪኡ ግና ናብኣ ኣይኣተወን።</verse>
				<verse number="27">ጊዜ ሕርሳ ምስ በፅሐ፥ እንሆ ኣብ ማህፀና ማንታ ደቂ ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">ክትወልድ እንተላ፥ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውፅአ፥ እታ መሕረሲት ከዓ “ቅድም ዝወፀ እዙይ እዩ” ኢላ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ።</verse>
				<verse number="29">እንተ ኾነ ንሱ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፥ ሓዉ ኸዓ ቕድም ተወለደ። ሽዑ እታ መሕረሲት “ከምዙይ ጌርካ እምበኣር ጥሒስካ ወፂእኻ” በለት። ፋሬስ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="30">ብድሕሪኡ ኸዓ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ተወለደ። ዛራ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">እቶም እስማኤላውያን ንዮሴፍ ናብ ግብፂ ኣውረድዎ። ኣዛዚ ቤት ፈርዖን፥ ጲጥፋራ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ግብፃዊ ሰብኣይ ድማ፥ ካብ ኢድ እቶም ናብ ግብፂ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ዓደጎ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ።</verse>
				<verse number="4">ዮሴፍ ከዓ ኣብ ቅድሚ ጲጥፋራ ሞገስ ረኸበ፤ ኣገልጋሊኡውን ኮነ። ስለዙይ ኣዛዚ ገዛኡ ገበሮ፤ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ኣረከቦ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ገዛኡን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሸሞ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንገዛ እቲ ግብፃዊ ባረኾ። ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኵሉ ሃብቱ ኸዓ ናብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጀራ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቑመናኡን መልክዑን ፅቡቕ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፥ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብዛ ገዛ እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የለን፤ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፥ ብዘይ ንኣኺ ኻልእ ዝኸልከለኒ ነገር የለን። ከመይ ኢለ ድኣ እዝ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር? ከመይ ኢለኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክገብር?” ኢሉ ኣበያ።</verse>
				<verse number="10">ኵልሻዕ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ እናበለት ተትክሮ ነበረት። ዮሴፍ ግና ምስኣ ኽድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ኽቐርብ ኣይደልን ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኮነ ድማ፥ ሓደ መዓልቲ ስራሑ ኽሰርሕ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ሽዑ ኣብታ ገዛ ካብ ቤተ ሰብ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ብኽዳኑ ኣጥቢቓ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉላ፥ ሃዲሙ ናብ ደገ ወፀ።</verse>
				<verse number="13">ንሳ ድማ ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፥ ንደገ ከም ዝሃደመ ምስ ረአየት፥</verse>
				<verse number="14">ነገልገልታ ናብኣ ፀዊዓ “ረአዩ፥ እቲ ዘምፅኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪዱና፤ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፤ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ።</verse>
				<verse number="15">ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ክዳኑ ሓዲጉ ሃዲሙ ንደገ ወፀ” ኢላ ነገረቶም።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይታኡ ናብ ገዛኡ ኽሳዕ ዝመፅእ ምስኣ ሒዛቶ ፀንሐት።</verse>
				<verse number="17">ንሳ ድማ፦ “እቲ ዘምፃእኻልና ዕብራዊ ባርያ፥ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኽዎ ኣተወ።</verse>
				<verse number="18">ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ ግና፥ ክዳኑ ኣብ ኢደይ ሓዲጉለይ ንደገ ሃደመ” በለቶ።</verse>
				<verse number="19">ጐይታ ዮሴፍ ከዓ፥ ሰበይቱ “ባርያኻ ኸምዙይ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፥ ብቝጥዓ ነደደ።</verse>
				<verse number="20">ጐይታ ዮሴፍ ድማ ናብታ እሱራት ንጉስ ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ግና፥</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ኵሎም ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣብኡ ዝግበርውን ስልጣን ሃቦ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ናይ ግብፂ ንጉስ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን፥ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ንጐይታኦም ንጉስ ግብፂ በደሉ።</verse>
				<verse number="2">ፈርዖን ድማ ብኽልቲኦም ሹመኛታቱ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="3">ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ፥ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ክእሰሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ንዮሴፍ ኣረከቦም፥ ንሱውን የገልግሎም ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንብዙሕ መዓልቲ ፀንሑ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ፥ ናይ ንጉስ ግብፂ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለሙ።</verse>
				<verse number="6">ዮሴፍ ንግሆ ናብኣቶም ምስ ኣተወ፥ እንሆ ተኪዞም ረአዮም።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሹመኛታት ፈርዖን፥ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ኣብ ገፅኩም ሓዘን ዝረአ ዘሎ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ኸዓ ንዮሴፍ፦ “እንሆ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ረአኹ።</verse>
				<verse number="10">ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፤ ምስ ጠጥዐ ኸዓ ዓምበበ፤ እቲ ዘለላውን ኣንጠልጠለ፤ ፍረ እቲ ዘለላ ድማ በሰለ።</verse>
				<verse number="11">ፅዋዕ ፈርዖን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፤ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ናብ ፅዋዕ ፈርዖን ፀመቝክዎ፤ ነታ ፅዋዕውን ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ሕልሙ ነገሮ።</verse>
				<verse number="12">ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ክፈትሐካ እዩ፤ ናብ ናይ ቀደም ሽመትካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ እንተለኻ ትገብሮ ዝነበርካ ኸዓ፥ ንፈርዖን እታ ፅዋዑ ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ምስ ቀንዐካ ድማ ነኣይ ዘክረኒ፤ በይዛኻ ምሕረት ግበረለይ፤ ንፈርዖን ከዓ ንገረለይ እሞ፥ ካብዛ ቤት ማእሰርቲ እዚኣ ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ኻብ ምድሪ ዕብራውያን ሰሪቖም ዘምፅኡኒ እየ፤ ኣብዝ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ በደል ድማ ኣይገበርኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሓለቓ ኣሰናዳእቲ ምግቢ ኸዓ ፅቡቕ ከም ዝፈትሐሉ ምስ ረአየ፥ ንዮሴፍ ኣነ ድማ ብሕልመይ “እንሆ ፃዕዳ እንጀራ ዝሓዘ ሰለስተ መሶብ ኣብ ርእሰይ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከዓ ኻብቲ ፈርዖን ዝበልዖ ዅሉ ዓይነት ምግቢ ዝተዳለወ እንጀራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ኸውፅአካ፥ ርእስኻ ኽቘርፀካ፥ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ኸንጠልጥሎ እዩ፤ ስጋኻውን ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን” ኢሉ ፈትሐሉ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፥ ንፈርዖን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ኸዓ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ንሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ፈቲሑ ናብ ማእኸል መኳንንቱ ኣምፅኦም።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ፥ ናብ ናይ ቀደም ሽመቱ መለሶ። ንሱ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ሃቦ።</verse>
				<verse number="22">ነቲ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግቢ ግና ሰቐሎ፤ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሐሎምውን ኮነ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ፈርዖን ሕልሚ ሓለመ፤ ብሕልሙ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ።</verse>
				<verse number="3">ደድሕሪአን ድማ፥ ካልኦት ሸውዓተ ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት፥ ኣብ ወሰን ሩባ ደው በላ።</verse>
				<verse number="4">እተን ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም፥ ነተን ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም ወሓጣአን፤ ፈርዖን ድማ ተበራበረ።</verse>
				<verse number="5">ተመሊሱ ኸዓ ደቀሰ፤ ንኻልኣይ ጊዜውን ሕልሚ ሓለመ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ፍሩያትን ብፁሓትን ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪአን ድማ፥ እንሆ ሸውዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።</verse>
				<verse number="7">እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ጉምቦ ሸዊት ወሓጣአን። ፈርዖን ከዓ ተበራበረ እሞ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="8">ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ንፈርዖን፦ “ኣነ ሎሚ በደለይ ዘከርኩ።</verse>
				<verse number="10">ኦ ፈርዖን! ብሓሻኽርካ ብኣይን ብሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ተቘጢዕኻ ኣብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእሰርካና።</verse>
				<verse number="11">ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ፥ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለምና።</verse>
				<verse number="12">ኣብኡ ድማ ኣገልጋሊ ናይቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ ዕብራዊ መንእሰይ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፤ ንሱ ኸዓ ሕልምታትና ፈትሐልና፤ ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኸከም ሕልምና ነገረና።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ዝፈትሐልና ድማ ኾነ፤ ንኣይ ናብ ናይ ቀደም ሽመተይ መለስካኒ፤ ነቱይ ከዓ ሰቐልካዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ፈርዖን ልኢኹ ንዮሴፍ ፀውዖ፤ ቀልጢፎም ድማ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ርእሱ ላፅዮም ክዳኑ ለዊጦም ድማ፥ ናብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="15">ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ሕልሚ ሓሊመ፥ ዝፈትሐለይ ስኢነ፤ ንስኻ ግና ሕልሚ ኸም እትፈትሕ ሰሚዐ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="17">ፈርዖን ድማ፦ “እንሆ፥ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ወሰን ሩባ፥ ደው ኢለ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="18">ሸውዓተ ስቡሓትን ፅቡቓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ሩባ ወፂአን፥ ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ።</verse>
				<verse number="19">ደድሕሪአን ካልኦት ሸውዓተ፥ ዝዓበራን ትርኢተንውን የመና ዝሓመቓን ኣላሕም ወፃ። ከምኣተን ዝኸፍአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ እኳ ኣይረአኹን።</verse>
				<verse number="20">እተን ዝዓበራን ዝሓመቓን ኣላሕም ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ከፍቲ ወሓጣአን፤</verse>
				<verse number="21">ምስ ወሓጣአን ከዓ፥ ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኣይተፈልጠን፤ ትርኢተን ከም ቀደመን ዕባሩ ነበራ። ድሕሪዙይ ተበራበርኩ።</verse>
				<verse number="22">ከምኡውን ብሕልመይ ሸውዓተ ፍሩያትን ፅቡቓትን ጉምቦታት ሸዊት፥ ካብ ሓንቲ ብርዒ እንትወፃ ረአኹ።</verse>
				<verse number="23">ደድሕሪአን ድማ እንሆ፥ ዝመንመናን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን፥ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።</verse>
				<verse number="24">እተን ቀጠንቲ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊት ወሓጣአን። እዙይ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፥ ዝፈትሐለይ ግና ኣይረኸብኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርዖን ሓደ እዩ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርዖን ነጊርዎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="26">እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ከፍቲ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊትውን፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ ሕልሙ ሓደ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እተን ደድሕሪአን ዝወፃ ሸውዓተ ዕባሩን ሕማቓት ከፍትን ከዓ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን። እተን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት እየን።</verse>
				<verse number="28">እቲ ንፈርዖን ዝነገርኩዎ እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ እዩ ንፈርዖን ዘርአዮ።</verse>
				<verse number="29">እንሆ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዙሕ ፅጋብ ዝኾነለን ሸውዓተ ዓመታት ክመፃ እየን።</verse>
				<verse number="30">ብድሕሪአን ከዓ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ክመፃ እየን። ብኣኣተን እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ክትጕዳእ እያ።</verse>
				<verse number="31">ካብቲ ደሓር ዝኸውን ጥሜት ዝተልዓለ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከዓ የመና ኽብርትዕ እዩ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ደጊምካ ምሕላምካ፥ እቲ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘርፀ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ቐልጢፉ ኽገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="33">“ሕዚ ድማ፥ ኦ ፈርዖን፥ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ድለ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ሹሞ።</verse>
				<verse number="34">ከምኡ ኸዓ በዘን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ዝእክቡ ሹመኛታት በብምድሩ ሹም።</verse>
				<verse number="35">ናይዘን ዝመፃ ዘለዋ ዓመታት ፅጋብ፥ ዝብላዕ ዝኾነ ዅሉ ይኣክቡ። ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ክኸውን፥ ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርዖን ኣብተን ከተማታት ይኣክብዎን ይሓልውዎን።</verse>
				<verse number="36">እቲ እኽሊ ድማ፥ በተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝመፃ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት፥ ነታ ሃገር ምእንቲ ክኸውን ይተዓቘር። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ኣይትጥቃዕን እያ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">ፈርዖንን ሹመኛታቱን እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ፅቡቕ ኮይኑ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="38">ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ገሊፁልካ እዩሞ፥ ከማኻ ዝበለ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ የለን።</verse>
				<verse number="40">ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">መሊሱ ፈርዖን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="42">ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ድማ፥ ንዮሴፍ ኣብ ኢዱ ገበረሉ፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽ ከደኖ፤ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="43">ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ኣነ ፈርዖን እየ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይ እግሩ ዘንቀሳቕስ ኣይሃሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="45">ፈርዖን ከዓ ንዮሴፍ “ፀፍናት ፐዕናሕ” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ንኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት ድማ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ወፀ።</verse>
				<verse number="46">ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ።</verse>
				<verse number="47">እታ ምድሪ ድማ በተን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ብዙሕ ፍርያት ሃበት።</verse>
				<verse number="48">ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሸውዓተ ዓመታት እኽሊ፥ ኣብ ከተማታት ኣከቦ፤ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ገራሁ እኽሊውን ነናብ ከተማኡ ኣከቦ።</verse>
				<verse number="49">ዮሴፍ፥ ምፅብፃቡ ኽሳዕ ዝስእን ብዙሕ እኽሊ፥ ኣከበ። እቲ ዝኣከቦ እኽሊ ኸም ሑፃ ባሕሪ የመና ብዙሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="50">ዓመት ጥሜት ገና ኸይበፅሐ እንተሎ፥ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="51">ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="52">ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” በሎ።</verse>
				<verse number="53">እተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ ከዓ ሓለፋ።</verse>
				<verse number="54">ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፥ እተን ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ግና እኽሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="55">ኵላ ምድሪ ግብፂ ምስ ጠመየት ድማ፥ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እኽሊ ናብ ፈርዖን ጠርዐ። ንሱ ኸዓ ንዅሎም ግብፃውያን “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="56">ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። እቲ ጥሜት ኣብ ምድሪ ግብፂ እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ዮሴፍ ኵሉ ማዕኸን ከፊቱ፥ ንግብፃውያን እኽሊ ሸጠሎም።</verse>
				<verse number="57">እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ዓለም እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ካብ ዮሴፍ እኽሊ ኽሽምቱ ኻብ ኵለን ሃገራት፥ ናብ ግብፂ ይመፁ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">ያእቆብ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰምዐ፤ ንደቁ ድማ “ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትጠማመቱ?</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስለዙይ ብጥሜት ከይንመውት ናብ ግብፂ ወሪድኩም እኽሊ ሸምቱልና” በሎም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከዓ፥ እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ወረዱ።</verse>
				<verse number="4">ያእቆብ ግና ንብንያም ሓው ዮሴፍ፥ ጕድኣት ከይበፅሖ ኢሉ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት ስለ ዝነበረ፥ ደቂ ያእቆብ ምስ ካልኦት ኮይኖም እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸዱ።</verse>
				<verse number="6">ነታ ምድሪ ዝእዝዛ ዮሴፍ ነበረ፤ ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድሪ እኽሊ ዝሸይጥ ድማ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መፂኦም፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ብገፆም ተደፊኦም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="7">ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንኣኣቶም ግና ጓና መሲሉ ቐረቦም፤ ኣትሪሩውን ተዛረቦም። “ካበይ ዝመፃእኹም ኢኹም?” ኢሉ ኸዓ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ካብ ምድሪ ከነዓን እኽሊ ኽንሽምት ዝመፃእና ኢና” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="8">ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን።</verse>
				<verse number="9">ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕባኣቶም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩም ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ድማ “ኣታ ጐይታና፥ ንሕና ሓሻኽርካ ስርናይ ክንሽምት ዝመፃእና ኢና፤</verse>
				<verse number="11">ኵላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፤ ሓቀኛታት ኢና፤ ንሕና ሓሻኽርካስ ሰለልቲ ኣይኮንናን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ኸዓ “ኣይፋልኩምን፤ ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ድማ “ንሕና ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ከነዓን እንነብር ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት፥ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እቲ ሓደ እኳ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ዮሴፍ ድማ “ከምቲ ቕድም ዝበልኩኹም፥ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ኸዓ ኽፍትነኩም እየ፤ እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ናብዙይ እንተይመፀ ኻብዙይ ከም ዘይትወፁ፥ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ንሓውኩም ዘምፅእ ካባኻትኩም ሓደ ስደዱ፤ እቲ ዝበልኩምዎ ሓቂ እንተልይዎ ኽሳዕ ዝፃረ ግና፥ ንስኻትኩም ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዘይኮነ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ብሓደ ገይሩ ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ።</verse>
				<verse number="19">ቅኑዓት እንተ ዄንኩምስ፥ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ማእሰርቲ ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኼድኩም፥ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ኣብፅሑሎም።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምፅእዎ፤ እቲ ቓልኩም ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ ኣይትሞቱን ኢኹም” በሎም። ከምኡውን ገበሩ።</verse>
				<verse number="21">ንስንሳቶም ከዓ “ንሓውና ብሓቂ በዲልና ኢና፤ እቲ ኣይትጨክኑለይ እናበለ ኽልምነና እንተሎ፥ ነፍሱ ኽትጭነቕ እናረአና ኣይሰማዕናዮን። ብናቱ ግፍዒ እዩ እዝ መከራ እዙይ ዝበፅሐና” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="22">ሮቤል ከዓ “ኣብዝ ቘልዓዙይ፥ በደል ኣይተብፅሑ እንዶ ኣይበልኩኹምን? ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። ስለዙይ ድማ እንሆ ደሙ ይደልየና ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="23">ዮሴፍ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ይዛረቦም ስለ ዝነበረ፥ ከም ዝሰምዖም ኣይፈልጡን ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ዮሴፍ ከዓ ኻብኣቶም ግልስ ኢሉ በኸየ፤ ናብኣቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፤ ንስምኦንውን ካብኣቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣሰሮ።</verse>
				<verse number="25">ዮሴፍ ድማ ኣብ ለለቘታኦም እኽሊ ኽመልኡሎም፥ ገንዘቦምውን ኣብ ለለቘታኦም ክመልሱሎም፥ ንመንገዲውን ስንቂ ኽህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸዓ ገበሩሎም።</verse>
				<verse number="26">እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ኻብኡ ተልዒሎም ከዱ።</verse>
				<verse number="27">ኣብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ድማ ሓደ ኻብኣቶም ንኣድጉ እኽሊ ኽህብ፥ ለቘታኡ ፈትሐ፥ ነቲ ገንዘቡ ኸዓ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ረኸቦ።</verse>
				<verse number="28">ነሕዋቱ ኸዓ “ገንዘበይ ተመሊሱ፤ እንሆ ኣብ ለቘታይ ረኺበዮ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ልቦም ደንገፀ፤ ቀጥቀጥ እናበሉ ድማ ንስንሳቶም “እዝ እግዚኣብሄር ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="29">ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ተመለሱ ኸዓ፥ እቲ ዅሉ ዝበፅሖም ከምዙይ ኢሎም ነገርዎ፦</verse>
				<verse number="30">“እቲ፥ ጐይታ እታ ሃገር፥ ኣትሪሩ ተዛረበና፤ ነታ ምድሪ ኽንስልል ከም ዝመፃእናውን ቈፀረና።</verse>
				<verse number="31">ንሕና ድማ ‘ሰለልቲ ኣይኮንናን፤ ቅኑዓት ሰባት ኢና።</verse>
				<verse number="32">ንሕና ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ኢና፤ እቲ ሓደ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነዓን ኣሎ’ በልናዮ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ጐይታ እታ ሃገር ከዓ፥ ‘ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም በዙይ ክፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፤ ነቶም ጥሙያት ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኺዱ።</verse>
				<verse number="34">ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ከዓ ናባይ ኣምፅእዎ። ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፥ ሰለልቲ ኸም ዘይኮንኩም ሽዑ ኽፈልጥ እየ። ሓውኩም ድማ ኽህበኩም እየ፤ ኣብዛ ምድሪ እውን ከም ድልየትኩም ክትነግዱ ትኽእሉ ኢኹም’ በለና።”</verse>
				<verse number="35">ለቛታኦም ፈቲሖም ነቲ እኽሊ ኽግልብጡ እንተለዉ፥ እንሆ ነናይ ነፍሲ ወከፍ ቍፃር ገንዘቡ ኣብ ለለቘታኡ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኣቶምን ነቲ ቝፃር ገንዘብ ምስ ረአዩ ደንገፁ።</verse>
				<verse number="36">ኣቦኣቶም ያእቆብ ድማ “ደቀይ ውሉድ እኮ ኣስኣንኩምኒ። ዮሴፍ የለን፤ ስምኦንውን የለን፤ ሐዚ ድማ ንብንያም ክትወስድዎ ትደልዩ ኣለኹም፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ኣባይ በፅሐ” በሎም።</verse>
				<verse number="37">ሮቤል ከዓ ነቦኡ፥ “ንኣይ ሕድሪ ሃበኒ፥ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ ናባኻ እንተ ዘየምፃእኽዎ፥ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ንሱ ኸዓ “ሓዉ ሞይቱ፥ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፥ ወደይስ ምሳኻትኩም ኣይወርድን እዩ። ኣብቲ እትኸድዎ መንገዲ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ሽዑ ኣብ እርጋነይ ብመሪር ሓዘን ናብ መቓብር ከም ዝወርድ ክትገብሩኒ ኢኹም!” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="43">
				<verse number="1">እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኻብ ግብፂ ዘምፅእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፥ ኣቦኣቶም ያእቆብ፥ “ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ይሁዳ ኸዓ “እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፥ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና።</verse>
				<verse number="5">ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፥ እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ፥ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፥ ኣይንወርድን ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እስራኤል ከዓ፥ “ነቲ ሰብኣይ ሓደ ሓው ኣለና ኢልኩም፥ ብምንጋር ስለ ምንታይ ኣኽፋእኹምለይ?” በለ።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፥ ‘ኣቦኻትኩም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ? ካልእ ሓውከ ኣለኩምዶ?’ ኢሉ ኣጥቢቑ ጠየቐና። ንሕና ኸዓ ኸምቲ ጥያቐኡ መለስናሉ። ንሓውኩም ኣምፅእዎ ኸም ዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል “ተሲእና ኽንከይድስ፥ ንብንያም ምሳይ ስደዶ። ሽዑ ኸዓ ንሕናን ንስኻን ህፃናትናን ካብ ጥሜት ክንድሕን ኢና።</verse>
				<verse number="9">ኣነ እወሓሶ፥ ካባይ ድለዮ። ናባኻ ኣምፂአ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየቢለዮ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢኣተኛ እኹን።</verse>
				<verse number="10">ክሳዕ ሕዚ ደንጕና እንተ ዘይንኸውንስ ድሮኳ ኻልኣይ ጊዜ ተመሊስና ምሃለና ኔርና” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኣቦኣቶም እስራኤል “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ከምኡ ግበሩ፦ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ፀፅቡቑ ኣብ ለቛቱኹም ውሰዱ፥ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገፀ በረከት፥ በለሳን፥ ቁሩብ ቀመም፥ ቁሩብ መዓር፥ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ።</verse>
				<verse number="12">ገንዘብ ድማ ዕፅፊ ጌርኩም ተማልኡ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ዝተመለሰ ገንዘብውን፥ ምናልባሽ ብጌጋ ኸይኸውን ተማልእዎ።</verse>
				<verse number="13">ንሓውኩምውን ውሰድዎ፤ ቀልጢፍኩም ከዓ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽሰዶም፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ሞገስ ይሃብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፥ እስኣን” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ድማ ገፀ በረከት ሒዞም፥ ዕፅፊ ገንዘብ ተማሊኦም፥ ንብንያምውን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ወሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="16">ዮሴፍ ከዓ ንብንያም ምስኣቶም ምስ ረአዮ፥ ንኣዛዚ ገዛኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክመስሑ እዮም እሞ፥ ናብ ገዛይ ኣእትዎም፤ ሕሩድ ሓሪድካውን ኣሰናዱ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣዛዚ ቤት ድማ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፤ ነቶም ሰባትውን ናብ ገዛ ዮሴፍ ኣእተዎም።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ገዛ፥ ናብቲ ኣዛዚ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም፦</verse>
				<verse number="20">“ኦ ጐይታና! ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት መፂእና ኔርና።</verse>
				<verse number="21">ኣብቲ ዝሓደርናሉ ምስ በፃሕና ለቛቱና ፈቲሕና እንተ ረአና፥ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ነበረ፤</verse>
				<verse number="22">እቲ ገንዘብ ናብ ለቛቱና መን ከም ዘእተዎ ኣይፈለጥናን፥ እንሆ መሊስናዮ ኣለና። ካልእ ገንዘብውን መሸመቲ እኽሊ ዝኸውን ኣምፂእና ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ድማ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ። ኣብ ለቛቱኹም ገንዘብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦታትኩምን እዩ፤ ገንዘብኩምስ በፂሑኒ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ናብኣቶም ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን።</verse>
				<verse number="25">ኣብኡ ኸም ዝመስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፥ ዮሴፍ ቀትሪ ምስ መፀ ምእንቲ ኸቕርቡሉ ነቲ ገፀ በረከት ኣዳለውዎ።</verse>
				<verse number="26">ዮሴፍ ናብ ገዛ ምስ መፀ፥ ነቲ ዘምፅእዎ ገፀ በረከት ኣቕረቡሉ። ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ጠየቖም፤ “እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ሽማግለ ኣቦኻትኩምከ ደሓንዶ ኣሎ? ገናዶ ብህይወት ኣሎ?” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ድማ “ሓሽከርካ ኣቦና ደሓን እዩ፤ ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="29">ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ድማ ንወዲ እኖኡ ንብንያም ረአዮ፥ “እዙይ እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ንእሽተይ ሓውኩም ድዩ?” በሎም። ንእኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ዮሴፍ ድማ ንሓዉ ሪኡ ኸብዱ ምኽኣል ኣብዩዎ ዝበኽየሉ ስፍራ ደለየ፤ ናብ ሕልፍኝኡ ኣትዩ ኸዓ በኸየ።</verse>
				<verse number="31">ገፁ ተሓፂቡውን ወፀ። ንባዕሉ ኣረጋጊኡ ድማ “እንጀራ ኣቕርቡ” በለ።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያን ከዓ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፥ ምስኣቶም ክበልዑ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣሕዋት ካብ በዅሪ ኽሳዕ እቲ ምንኣስ ኵሎም፥ ከከም ዕድመኣቶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ኣብ ማእዲ ተቐመጡ፥ ኣቀማምጣኣቶም ሪኦም ከዓ ንስንሳቶም ብምድናቕ ተጠማመቱ።</verse>
				<verse number="34">ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="44">
				<verse number="1">ዮሴፍ፥ ንኣዛዚ ቤቱ “እዞም ሰባት ክወስድዎ ኽሳዕ ዝኽእሉ ጌርካ ኣብ ለቛቱኦም እኽሊ ምልአሎም። ናይ ነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ኣንብር።</verse>
				<verse number="2">ነታ ብብሩር ዝተሰርሐት ፅዋዐይ፥ ምስቲ ዋጋ እኽሊ ገንዘብ ጌርካ፥ ናብ ኣፍ ለቘታ እቲ ንእሽተይ ግበራ” ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዮሴፍ ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ምስ ወግሐ፥ ነቶም ሰባት ኣእዱጎም ሒዞም ከም ዝኸዱ ገበሩ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ገና ኸይረሓቑ እንተለዉ፥ ዮሴፍ ንኣዛዚ ቤቱ “ተስእ ደድሕሪ እዞም ሰባት ጕየ፤ ምስ ኣርከብካዮም፥ ‘ስለ ምንታይ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ ትፈድዩ?</verse>
				<verse number="5">እታ ጐይታይ ዝሰትየላን ብኣኣ ድማ ምስጢር ዝፈልጠላን ፅዋዕ ንሳዶ ኣይኮነትን? እዙይ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም’ በሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ ኣርኪቡ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ድማ፥ “ጐይታይ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ኢልካ ትዛረብ? ከምዙይ ዝበለ ነገር ንሕና ኸቶ ኣይገበርናዮን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መሊስናልካ ኢና። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኮነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ?</verse>
				<verse number="9">ካብ ሓሻኽርኻ እታ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ይቀተል፤ ንሕና ዝተረፍና ድማ ባሮት ጐይታና ንኹን” በልዎ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ፥ “ሕራይ፥ ከም ዝበልኩምዎ ይኹን። እቲ ዝተረኽበቶ ባርያይ ይኹን፤ ዝተረፍኩም ግና ኻብ በደል ንፁሃት ኢኹም” በለ።</verse>
				<verse number="11">ቀልጢፎም ከዓ ለለቘታኦም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ለቘታኡ ፈትሐ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ኸዓ ኻብ ዓብዪ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብቲ ንእሽተይ ዝበፅሕ ጐርጐሮም። እታ ፅዋዕ ድማ ኣብ ለቘታ ብንያም ተረኽበት።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ደንጊፆም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ናብ ከተማ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="14">ይሁዳን ኣሕዋቱን ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣተዉ፤ ዮሴፍ ድማ ኣብ ገዛኡ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="15">ዮሴፍ ከዓ “እንታይ ግብሩ እዩ ዝገበርኩምዎ? ኸማይ ዝበለ ሰብ፥ ፈላጢ ምስጢር ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ይሁዳ ድማ፥ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብለካ ኢና? እንታይከ ኽንዛረበካ? ኸመይ ጌርናኸ ርእስና ኽነንፅህ? ኣምላኽ በደልና ኻብ ቀልዐ፥ እኒሀና፤ ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶን ባሮትካ ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ዮሴፍ ግና “እዙይ ከቶ ኣይገብሮን እየ፤ እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ሰብኣይ ባርያይ ይኹን፥ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኻትኩም ብሰላም ተመለሱ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ይሁዳ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ኸም ፈርዖን ኢኻሞ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣብ ሓሽከርካ ኣይንደድ።</verse>
				<verse number="19">ጐይታይ! ነኣና ንሓሻኽርካ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣለኩምዶ?’ ኢልካ ጠየቕካና።</verse>
				<verse number="20">ንሕና ኸዓ ንጐይታይ፥ ‘ሽማግለ ኣቦ ኣለና፤ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ንእሽተይ ቈልዓውን ኣለና፤ ሓዉ ወዲ እኖኡ ስለ ዝሞተ ድማ፥ በይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኣቦኡ ኸዓ ይፈትዎ እዩ’ በልናካ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ንስኻ ንኣና ንሓሻኽርካ ‘ክሪኦስ ናባይ ኣምፅእዎ’ በልካና።</verse>
				<verse number="22">ንሕና ድማ ንጐይታይ፥ ‘እቲ ቘልዓ ነቦኡ ኽሓድጎ ኣይኽእልን እዩ፤ ነቦኡ እንተ ሓዲጉዎ ግና፥ ኣቦኡ ኽመውት እዩ’ በልናካ።</verse>
				<verse number="23">ንኣና ንሓሻኽርካ ድማ ‘እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየምፂእኹምዎ፥ ደጊም ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ በልካና።</verse>
				<verse number="24">“ንሕና ኸዓ ናብ ሓሽከርካ ኣቦና ምስ ተመለስና ዘረባኻ ነገርናዮ።</verse>
				<verse number="25">ኣቦና ድማ፥ ‘ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና’ በለና።</verse>
				<verse number="26">ንሕና ኸዓ፥ ‘ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ ገፅ እቲ ሰብኣይ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና ኽንማልኦ እንኽእል እንተ ዄንና ግና ኽንከይድ’ በልናዮ።</verse>
				<verse number="27">ኣቦና ሓሽከርካ ድማ፥ ‘ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">እቲ ሓደ ካባይ ወፀ፤ ኣነ ኸዓ ብርግፅ ኣራዊት በሊዕዎ እዩ በልኩምኒ። ክሳዕ ሕዚ ድማ ኣይረአኽዎን።</verse>
				<verse number="29">ነዙይ ከዓ ኻብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ፥ እሞ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ንሲበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር ከይተውርዱኒ’ በለና።</verse>
				<verse number="30">“ሕዚ ኸዓ ኣነ ናብ ሓሽከርካ ኣቦይ እንተ ተመለስኩ፥ ነዝ ወዲ ድማ ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ የመና ስለ ዝፈትዎ፥</verse>
				<verse number="31">እቲ ቘልዓ ምሳና ኸም ዘየሎ ምስ ረአየ ኽመውት እዩ። ንሕና ሓሻኽርካ ኸዓ፥ ንሲበት ኣቦና ሓሽከርካ፥ ብጓሂ ናብ መቓብር ከም ዘውረድናዮ ኢና እንኸውን።</verse>
				<verse number="32">ኣነ ሓሽከርካ ነዝ ቘልዓ እዙይ ካብ ኣቦይ ተውሒሰ እየ ኣምፂአዮ። ነቦይ ‘ናባኻ መሊሰ እንተ ዘየምፃእኽዎ ምሉእ ዕድመይ ሓጢኣተኛ እኸውን’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="33">ሕዚ ድማ ኣነ ኽንዲ ዝቘልዓ እዙይ፥ ባርያኻ ኾይነ ኽቕመጥ እልምነካ ኣለኹ። እዝ ቘልዓ እዙይ ግና፥ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ።</verse>
				<verse number="34">ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="45">
				<verse number="1">ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ክዕገስ ኣይከኣለን። ዓው ኢሉ ኸዓ “ንዅሎም ሰባት ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ስለዙይ ነሕዋቱ ኽላለዮም እንተሎ፥ ሓደ ሰብ እኳ ምስኡ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="2">ቃሉ ዓው ኣቢሉ ስለ ዝበኸየ ግብፃውያን ሰምዑ፤ ኣብ ቤት ፈርዖንውን ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="3">ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ “ኣነ ዮሴፍ እየ፤ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕዚ ብህይወቱዶ ኣሎ?” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ እዙይ ሰሚዖም ደንገፁ፤ ክምልሱሉውን ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="4">ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱ፥ “እስኪ ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ቐረቡ። ዮሴፍ ከዓ፦ “ኣነ እቲ ናብ ግብፂ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር እዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፥ ናብዙይ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፤ ኣይትጨነቑውን።</verse>
				<verse number="6">ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን እንሆ ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ማሕረስ ኮነ ዓፂድ ዘይብለን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመታት ኣለዋ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዘደንቕ መንገዲ ንህይወትኩም ምእንቲ ኸድሕን፥ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ።</verse>
				<verse number="8">ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዙይ ዝለኣኽኩምኒ። እግዚኣብሄር ንፈርዖን ዘማኽሮ ኣቦኡ፥ ንዅላ ቤተ መንግስቱ ጐይታኣ፥ ንምድሪ ግብፂ ገዛኢኣ ገበረኒ።</verse>
				<verse number="9">“ሕዚ ቐልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ተመለሱ እሞ፦ ‘ዮሴፍ ወድኻ ኸምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፂ ጐይታ ገበረኒ፤ ስለዙይ ናባይ ምፃእ፤ ኣይትደንጒ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕኻን ከፍትኻን ዘለካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ምእንቲ ኽትከውን፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክትቅመጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ገና ሓሙሽተ ናይ ጥሜት ዓመታት ተሪፈን ኣለዋሞ፥ ንስኻን ቤተ ሰብካን ኵሉ ዘለካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፥ ኣብኡ ኽምግበኩም እየ’ ” በልዎ።</verse>
				<verse number="12">“ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸዓ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ሪአን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኣብ ግብፂ ዝተውሃበኒ ዅሉ ኽብረይን እቲ ዅሉ ዝረአኹምዎን ነቦይ ንገርዎ፤ ነቦይውን ቀልጢፍኩም ናብዙይ ኣምፅእዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንኽሳድ ሓዉ ብንያም በእዳዉ ሓቚፉ ኽበኪ ጀመረ፤ ብንያምውን ኣብ ክሳዱ በኸየ።</verse>
				<verse number="15">ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸዓ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕሪዙይ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ኽዛረቡ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ከዓ “ኣሕዋት ዮሴፍ መፂኦም” ዝብል ወረ ተሰምዐ። ፈርዖንን መኳንንቱን ድማ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="17">ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፦ “ነሕዋትካ ኸምዙይ ግበሩ በሎም፦ ‘እንስሳኹም ፅዒንኩም ኪዱ፤ ናብ ምድሪ ከነዓን ከዓ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="18">ኣቦኻትኩምን ስድራኹምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምፁ። ካብ ምድሪ ግብፂ ድማ እቲ ዝበለፀ ኽህበኩም እየ። ስብሒ እዛ ምድሪ እዚኣውን ክትበልዑ ኢኹም።’</verse>
				<verse number="19">ከምኡውን፦ ‘ንህፃናትኩምን ነንስትኹምን ዝኾና ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብፂ ውሰዱ፤ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምፁ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘሎ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፥ በቲ እትሓድግዎ ንብረትኩም ኣይትሕሰቡ’ ኢልካ ንገሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ያእቆብ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ኸምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ሰረገላታት ሃቦም፤ ንመንገዲውን ስንቂ ሃቦም።</verse>
				<verse number="22">ንነፍሲ ወከፎም ሓድሓደ ምሉእ ኽዳን ሃቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩርን፥ ሓሙሽተ ምሉእ ክዳውንትን ሃቦ።</verse>
				<verse number="23">ነቦኡ ድማ ኣብ ግብፂ ዝርከብ ኵሉ ዘዝበለፀ ዝተፅዓና ዓሰርተ ኣእዱግ፥ ንመንገዲ ስንቂ ዝኾኖ እኽልን ሕብስትን ዝተፈላለየ ምግብን፥ ዓሰርተ ፅዕነት ኣንስትዮ ኣእዱግን ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ሃገር ግብፂ ወፂኦም ከዓ ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን በፅሑ።</verse>
				<verse number="26">“ወድኻ ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፤ ንዅላ ምድሪ ግብፂ ዝገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ድማ ብልቡ ደንገፀ፤ ክኣምኖምውን ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="27">እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎን እቲ መምፅኢኡ ክኾኖ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደደሉ ሰረገላታትን ምስ ረአየ ግና፥ ህይወት ኣቦኣቶም ያእቆብ ተሓደሰ።</verse>
				<verse number="28">እስራኤል ድማ “ወደይ ዮሴፍ ብርግፅ ብህይወቱ እንተ ሃልዩ ይኣኽለኒ? እንተይሞትኩ ኽሪኦ ክኸይድ እየ” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="46">
				<verse number="1">እስራኤል ኵሉ ዘለዎ ሒዙ ተልዓለ። ኣብ ቤርሳቤህ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሓቅ፥ መስዋእቲ ሰውአ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ።</verse>
				<verse number="3">“ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ እግዚኣብሄር እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ምኻድ ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ምሳኻ ናብ ግብፂ ኽወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ኻብኡ ኣነ ኸውፅአካ እየ። ክትመውት እንተለኻ ኸዓ ዮሴፍ ኢዱ ኣብ ዓይንኻ ኸንብር እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ያእቆብ ድማ ኻብ ቤርሳቤህ ተስአ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነቦኦምን ህፃናቶምን ኣንስቶምን፥ ናብቶም ያእቆብ ክመፀሉ ኢሉ ፈርዖን ዝሰደዶም ሰረገላታት ኣደየብዎም።</verse>
				<verse number="6">ከፍቶምን ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ኣተዉ። ያእቆብውን ንዅሉ ዘርኡ፥</verse>
				<verse number="7">ንደቁን ንደቂ ደቁን፥ ነዋልድ ደቁን፥ ንዅሉ ዘርኡን ሒዙ ናብ ግብፂ ኣተወ።</verse>
				<verse number="8">ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል።</verse>
				<verse number="9">ደቂ ሮቤል፦ ሄኖህ፥ ፈሉሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ።</verse>
				<verse number="10">ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል።</verse>
				<verse number="13">ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ዛብሎን ድማ፦ ሴሬድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል።</verse>
				<verse number="15">እዚኣቶምን፥ ዲና ጓሉን፥ ያእቆብ ካብ ልያ ኣብ መስጴጦምያ ሶርያ ዝወለዶም ደቁን ደቂ ደቁን እዮም። ኵሎም፥ ኣወዳትን ኣዋልድን፥ ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ጋድ ድማ፦ ፅፎን፥ ሓጊ፥ ሹኒ፥ ኤስቦን፥ ዔሪ፥ ኣሮዲ፥ ኣርኤሊ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል።</verse>
				<verse number="18">እዚኣቶም ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ንዮሴፍን ንብንያምን ወለደት።</verse>
				<verse number="20">ንዮሴፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣስናት ጓል ጶጥፌራ ኻህን ከተማ ሄልዮት ዝወለደትሉ፥ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ።</verse>
				<verse number="22">ንያእቆብ ካብ ራሄል ዝተወለዱሉ ደቁን ደቂ ደቁን ዓሰርተ ኣርባዕተ እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="23">ወዲ ዳን፥ ሑሺም።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ንፍታሌም፦ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዮፅር፥ ሺሌም።</verse>
				<verse number="25">እዚኣቶም ደቂ ባላ ደቂ እታ ላባ ንራሄል ጓሉ ዝሃባ እዮም። ባላ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዅሎም ሸውዓተ እዮም።</verse>
				<verse number="26">እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ፥ ብዘይ ኣንስቲ ደቁ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ዅሎም ስሳን ሽዱሽተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዮሴፍ ዝተወለዱሉ ኸዓ ኽልተ ደቂ እዮም። ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ዅሎም ቤተ ሰብ ያእቆብ እምበኣር ሰብዓ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ዮሴፍ ኣብ ጌሴም ምእንቲ ኽቕበሎ ያእቆብ ንይሁዳ ቐቅድሚኡ ሰደዶ። ኣብ ምድሪ ጌሴምውን በፅሑ፥</verse>
				<verse number="29">ዮሴፍ ሰረገላኡ ፅዒኑ፥ ነቦኡ ያእቆብ ክራኸቦ ናብ ጌሴም መፀ። ምስ ተራኸቡ፥ ዮሴፍ ክሳድ ኣቦኡ ብኢዱ ሓቝፉ ነዊሕ ጊዜ በኸየ።</verse>
				<verse number="30">ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ “ሕዝስ ገና ብህይወት ከም ዘለኻ ኻብ ፈለጥኩ፥ ገፅካውን ካብ ረአኹስ፥ እንተ ሞትኩውን ግዲ የብለይን” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን፦ “ናብ ፈርዖን ከይደ ‘ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን፥ ናባይ መፂኦም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="32">እዞም ሰባት እዚኣቶም መርባሕቲ እንስሳ እዮም። ኣባጊዖምን ኣጣሎምን ከፍታቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም መፂኦም ኣለዉ’ ኽብሎ እየ።</verse>
				<verse number="33">ፈርዖን ፀዊዑ ‘ስራሕኹም እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም፥</verse>
				<verse number="34">ጓስነት ብግብፃውያን ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ምእንቲ ኽትቅመጡስ ‘ሓሻኽርካ፥ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕዚ መርባሕቲ እንስሳት ኢና’ በሉ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="47">
				<verse number="1">ዮሴፍ ናብ ፈርዖን ኣትዩ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከፍቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መፂኦም፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="2">ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ መሪፁ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦም።</verse>
				<verse number="3">ፈርዖን ከዓ ነሕዋት ዮሴፍ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንፈርዖን “ንሕና ሓሻኽርካ ስራሕና ኸምቲ ናይ ኣቦታትና መርባሕቲ እንስሳት ኢና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="4">ኣስዒቦም ከዓ ንፈርዖን “ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት የመና ስለ ዝበርትዐ፥ እንስሳት ሓሻኽርካ ዝዋፈራሉ የለን። ስለዙይ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መፂእና ኣለና፤ ሕዚ ኸዓ ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክንቅመጥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን እንሆ መፂኦምልካ ኣለዉ፤</verse>
				<verse number="6">ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣብ ኢድካ እያ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጌሴም ይቀመጡ። ካብኣቶም እትፈልጦም ክኢላታት ሰባት እንተ ሃልዮምኻ፥ ኣብ ከፍተይ ዋናታት ግበሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ዮሴፍ ነቦኡ ያእቆብ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መረቖ።</verse>
				<verse number="8">ፈርዖን ከዓ ንያእቆብ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="9">ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መሪቑ ኻብኡ ወፀ።</verse>
				<verse number="11">ዮሴፍ ከዓ ነቦኡን ነሕዋቱን መሬት ኣካፈሎም፤ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞውን፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ፥ ኣብ ምድሪ ራምሴ ርስቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="12">ዮሴፍ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ይሓልየሎም ነበረ። ከከም ብዝሒ ቤተ ሰቦምውን እኽሊ እናሰፈረ ይህቦም ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ኵላ ምድሪ እኽሊ ስለ ዘይነበረ እቲ ጥሜት የመና በርትዐ። ካብ ጥሜት ዝተልዓለውን ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነብሩ ህዝቢ ብጥሜት ሰንሰኑ።</verse>
				<verse number="14">ዮሴፍ ድማ ኻብ ምድሪ ግብፅን ካብ ምድሪ ከነዓንን፥ እቲ ብሸመታ እኽሊ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣከቦ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ድማ ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነበረ ገንዘብ ምስ ተወድአ ድማ፥ ኵሎም ግብፃውያን ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንመውት? ገንዘብና ተወዲኡ እዩ እሞ እኽሊ ሃበና” በልዎ።</verse>
				<verse number="16">ዮሴፍ ከዓ “ገንዘብኩም እንተ ደኣ ተወዲኡ ኾይኑ፥ ጥሪትኩም ኣምፅኡ፤ ክንዲ ጥሪትኩም ድማ እኽሊ ኽህበኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ከዓ ጥሪቶም ናብ ዮሴፍ ኣምፅኡ። ዮሴፍ ድማ ኽንዲ ኣፍራስን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣእዱግን እኽሊ ሃቦም። ስለዙይ ክንዲ ዅለን ጥሪቶም እኽሊ እናሃበ እታ ዓመት እቲኣ ኣሕለፎም።</verse>
				<verse number="18">እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት ከዓ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ገንዘብ ከም ዝተወድአ፥ ንኣኻ ንጐይታና ኣይንሓብአካን ኢና፤ እተን መጓሰታት ጥሪት ድማ ምሳኻ ኣለዋ። በይዛኻ እንትርፊ ነፍስናን ምድርናን ካልእ ኣይተረፈናን።</verse>
				<verse number="19">ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ስለ ምንታይ ንመውት? ምድርናኸ ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እትጠፍእ? ንኣናን ንምድርናን ብእኽሊ ዓድገና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርዖን ንኹን። ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ እታ መሬት ከዓ ኸይትባድምስ ዘርኢ ሃበና” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ግብፃውያን ጥሜት ስለ ዝበርትዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ፤ ዮሴፍ ከዓ ዅላ ምድሪ ግብፂ፥ ንፈርዖን ክትከውን ዓደጋ፤ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርዖን ኮነት።</verse>
				<verse number="21">ንህዝቢ ግብፂ ኸዓ፥ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ፥ ናይ ፈርዖን ባሮት ገበሮም።</verse>
				<verse number="22">እቶም ካህናት ግና ኻብ ፈርዖን ውሱን ድርጎ ስለ ዝነበሮም፥ መሬቶም ኣይሸጡን። ስለዙይ ዮሴፍ ንመሬት ካህናት ጥራሕ እዩ ዘይዓደገ።</verse>
				<verse number="23">ዮሴፍ ከዓ ነቶም ህዝቢ “እንሆ፥ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድሪኹምን ንፈርዖን ዓዲገኩም እየ። ዘርኢ እኒሀልኩም፤ ነታ ምድሪ እውን ዝርእዋ።</verse>
				<verse number="24">ጊዜ ቐውዒ ምስ ኮነ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ትህብዎ፤ እቲ ኣርባዕተ ኣፍ ድማ ንግራትኩም ዘርኢ፥ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ንቤተ ሰብኩምን ቀለብ ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ንሳቶም ድማ “ንስኻ ኣድሓንካና፤ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ እንኳዕ ሞገስ ረኸብና እምበር፥ ባሮት ፈርዖን ንኸውን” በልዎ።</verse>
				<verse number="26">ዮሴፍ ከዓ “ኣብ ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ይኹን” ኢሉ ሓገገ። እዝ ሕጊ እዙይ ክሳዕ ሎሚ ቖይሙ ኣሎ። ምድሪ ካህናት ጥራሕ እያ ናይ ፈርዖን ዘይኮነት።</verse>
				<verse number="27">እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ርስቶምውን ኮነት፤ ፈረዩ፤ የመናውን በዝሑ።</verse>
				<verse number="28">ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ።</verse>
				<verse number="29">ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ክፈልጥ ቃል እተወለይ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣይትቕበረኒ።</verse>
				<verse number="30">ምስ ሞትኩ ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ፥ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ “ከም ዝበልካኒ ኽገብር እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ያእቆብ ድማ “መሓለለይ” በሎ። ዮሴፍውን መሓለሉ። ያእቆብ ኣብ መተርኣሱ ሰጊዱ ኣመስገነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="48">
				<verse number="1">ድሕሪ ቑሩብ እዋን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣቦኻ ሓሚሙ” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ንኽልቲኦም ደቁ፥ ንምናሴን ኤፍሬምን፥ ሒዝዎም ከደ።</verse>
				<verse number="2">ንያእቆብ ድማ “እንሆ፥ ወድኻ ዮሴፍ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ከዓ ተፀናኒዑ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ።</verse>
				<verse number="3">ያእቆብ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ሎዛ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተርኣየኒ፤ ባረኸኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦</verse>
				<verse number="4">‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’</verse>
				<verse number="5">“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ግና ንኣኻ ይኹኑ። ኣብ ርስቶም ከዓ ብስም ኣሕዋቶም ኤፍሬምን ምናሴን ይሰመዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኻብ መስጴጦምያ ኽምለስ እንተለኹ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ንኤፍራታ ኽበፅሕ ቑሩብ ምስ ተረፈኒ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ቐበርኩዋ።”</verse>
				<verse number="8">ያእቆብ ድማ ንደቂ ዮሴፍ ምስ ረአዮም “እዚኣቶም እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="9">ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ “እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣብዙይ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ። ያእቆብ ድማ “ክምርቖምስ እስኪ ናባይ ኣቕርቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣዒንቲ ያእቆብ ከዓ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ኣፅርዩ ኽርኢ ኣይኽእልን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦም። ያእቆብ ከዓ ሓሓቝፉ ሰዓሞም።</verse>
				<verse number="11">ያእቆብ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ኽርኢ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ እንሆ፥ ንደቅኻውን ኣርኣየኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።</verse>
				<verse number="13">ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ደቁ ወሲዱ፥ ንኤፍሬም ብየማኑ ገይሩ፥ ናብ ፀጋም ያእቆብ፥ ንምናሴ ኸዓ ብፀጋሙ ገይሩ፥ ናብ የማን ያእቆብ ኣቕረቦም።</verse>
				<verse number="14">ምናሴ በዅሪ፥ ኤፍሬም ከዓ ምንኣሱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፥ ፀጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ።</verse>
				<verse number="15">ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።</verse>
				<verse number="16">እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”</verse>
				<verse number="17">ዮሴፍ ከዓ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ሪኡ ኣይተሓጐሰን፤ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኸሕልፋ ኸዓ ንኢድ ኣቦኡ ሓዛ።</verse>
				<verse number="18">ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፥ “ኣቦይ፥ ከምኡ ኣይኮነን፤ እቲ በዅሪ እዙይ እዩ እሞ፥ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።</verse>
				<verse number="21">ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ እታ ኣነ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሴኬም ድማ፥ ሕልፊ ኣሕዋትካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="49">
				<verse number="1">ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="2">“ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ናብ ኣቦኻትኩም እስራኤል ከዓ ኣድምፁ።”</verse>
				<verse number="3">“ሮቤል፥ ንስኻ በዅረይ ኢኻ፤ ሓይለይን ቀዳማይ ፅንዓተይን፥ ብኽብረት ብሉፅ፥ ብስልጣን ከዓ ብሉፅ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ከም ማይ ዘይርጉእ ኢኻ፤ ናብ ምድቃስ ኣቦኻ ደየብካ፤ ዓራት ኣቦኻ ኣርከስካ፤ ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።”</verse>
				<verse number="5">“ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም፤ ኣስይፍቶም ኣፅዋር ዓመፃ እየን፤</verse>
				<verse number="6">ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤ ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤ ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።</verse>
				<verse number="7">ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”</verse>
				<verse number="8">“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤ ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?</verse>
				<verse number="10">እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንኣድጉ ኣብ ጕንዲ ወይኒ፥ ንዒሉኡ ድማ ኣብ ብሉፅ ጨንፈር ወይኒ ኽኣስር እዩ፤ ክዳኑ ብወይኒ፥ ነፀላኡ ኸዓ ብደም ወይኒ ኽሓፅብ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣዒንቱ ኻብ ወይኒ ኽቐይሓ፥ ኣስናኑ ድማ ኻብ ፀባ ኽፅዕድዋ እየን።”</verse>
				<verse number="13">“ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኽነብር እዩ፤ መዕረፍ መራኽብውን ክኸውን እዩ፤ ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="14">“ይሳኮር፥ ብርቱዕ ዝዓፅሙ ኣድጊ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ሰፈር ኣባጊዕ ድማ ይድቅስ።</verse>
				<verse number="15">እታ ዘዕርፈላ ቦታ ፅብቕቲ፥ እታ መሬቱ ድማ ልምዕቲ ከም ዝኾነት ምስ ረአየ፥ ንምስካም፥ ማእገሩ ኣትሓተ፤ ፀዓራይ ሓረስታይውን ኮነ።</verse>
				<verse number="16">ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኮይኑ ንህዝቡ ኽዳኒ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ዳን ኣብ መንገዲ፥ ከም ተመን፥ ኣብ መተሓላለፊ ድማ ኸም መንደላይ ተመን ክኸውን እዩ፤ ንፈረስ ሸዀናኡ ይነኽሶ፤ ንፈረሰኛ ኸዓ ንድሕሪት ከም ዝወድቕ ይገብሮ።”</verse>
				<verse number="18">“ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="19">“ንጋድ ዘመትቲ ክዘምቱሉ እዮም፤ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ስዒቡ ኸሳጕጎም እዩ።</verse>
				<verse number="20">እንጀራ ኣሴር ረጒድ እዩ፤ ኣሴር ድማ ንነገስታት ዝበቅዕ ምግቢ ኸቕርብ እዩ።”</verse>
				<verse number="21">“ንፍታሌም፥ ዝተፈትሐት መይዳቝ እዩ፤ ጥዑም ቃልውን ይህብ።”</verse>
				<verse number="22">“ዮሴፍ፥ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዝተተኽለት፥ ጨናፍራ ኣብ መንደቕ ዝድይብ፥ ፈራይት ወይኒ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ቀስተኛታት ኣናወፅዎ፤ ፍላፃ ወርዊሮም ድማ ሰጐጕዎ።</verse>
				<verse number="24">ቀስቱ ግና ፀኒዑ ይነብር፤ ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ።</verse>
				<verse number="25">ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥ ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥ ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ካብቲ ኻብ ናይ ጥንቲ እምባታት በረከት፥ ካብ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ምርቓ፥ ናይ ኣቦኻ በረከት ይበልፅ፤ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ ይውረድ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ሓለቓ ኣብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ግንባር ዮሴፍ ይዕረፍ።”</verse>
				<verse number="27">“ብንያም መንጣሊ ተዅላ እዩ፤ ንግሆ ዝመንጠሎ ይበልዕ፤ ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።”</verse>
				<verse number="28">እዚኣቶም ኵላቶም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እዙይ ከዓ እቲ ኣቦኣቶም ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዝግብኦም ክምርቖም እንተሎ ዝተዛረቦ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ያእቆብ ንደቁ፦ “እንሆ፥ ኣነ ናብ ወገናተይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ኤፍሮን ኬጢያዊ ዘላ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ።</verse>
				<verse number="30">ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ፥ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከውን ኢሉ፥ ካብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ ድርብ በዓቲ እያ።</verse>
				<verse number="31">ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ንይስሓቅን ንርብቃ ሰበይቱንውን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ግራትን እቲ ኣብኡ ዘሎ በዓትን፥ ካብ ደቂ ኬጢ ዝተዓደገ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ያእቆብ ንደቁ እዙይ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣእጋሩ ኣከበ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት እሞ፥ ናብ ወገናቱ ተፀመረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="50">
				<verse number="1">ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኣቦኡ ወዲቑ እናበኸየ ሰዓሞ።</verse>
				<verse number="2">ዮሴፍ ከዓ ነቶም ሰብ መድሓኒት ሓሻኽሩ፥ ነቦኡ ብምዑዝ ቅብኢ ኽደርዝዎ ኣዘዞም። እቶም ሓኻይም ድማ ብምዑዝ ቅብኢ ደረዝዎ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ልሙድ ኣርብዓ መዓልቲ ደረዝዎ። ግብፃውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ።</verse>
				<verse number="4">መዓልቲታት ሓዘን ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ዮሴፍ ንቤተ ሰብ ፈርዖን፦ “ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻትኩም ንፈርዖን፦</verse>
				<verse number="5">ኣቦይ፥ እንሆ፥ ‘ኣነ እመውት ኣለኹ። ኣብታ ምድሪ ከነዓን ንኣይ ኢለ ዝዀዓትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ’ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸይደ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ ኢልኩም ንገሩለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ፈርዖን ድማ፥ “ኺድ እሞ ኸምቲ ዘምሓለካ፥ ነቦኻ ቕበሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ኽቐብሮ ኸደ። ኵላቶም መኳንንቲ ፈርዖንን ሹመኛታት ቤተ መንግስቱን፥ ኵላቶም ዓበይቲ ምድሪ ግብፅን ድማ ምስኡ ኸዱ።</verse>
				<verse number="8">ኵላቶም ስድራ ዮሴፍን ኣሕዋቱን፥ ስድራ ኣቦኡንውን ምስኡ ኸዱ። ኣብ ምድሪ ጌሴም ቈልዑቶምን ኣባጊዖምን ከፍቶምን ጥራሕ ሓደጉ።</verse>
				<verse number="9">ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ኸዱ፤ የመና ብዙሕ ህዝቢ እውን ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ኣብታ ምድሪ ዝቕመጡ ከነዓናውያን ድማ፥ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ዓብዪ መልቀስ ግብፃውያን እዩ” በሉ። ስለዙይ ከዓ “ኣቤል ሚስራይም” ኢሎም ሰመይዋ። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ያእቆብ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ነቦኦም ፆይሮም ናብ ምድሪ ከነዓን ወሰድዎ፤ ኣብታ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ኣብርሃም ንርስቲ መቓብር ኢሉ ኻብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ፥ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="14">ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበረ፥ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኽቐብሩ ምስኡ ዝኸዱ ዅላቶምን ናብ ግብፂ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="15">ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኣቶም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፥ “ምናልባሽ ዮሴፍ ተቐይሙና ኸይኸውን እሞ ኸም ኢድና ደኣ ኸይፈድየና!” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="16">ንዮሴፍ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦና ቕድሚ ሞቱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙና ነይሩ።</verse>
				<verse number="17">‘እቲ ኣሕዋትካ ዝበደሉኻ ይቕረታ ኸም እትገብረሎም ሕድርኻ፥ በልዎ’ ኢሉና ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ናይ ዝኾንና በደል ይቕረ ኽትብል፥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ኣሕዋቱ ድማ ኸይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ፤ “እንሆ ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="19">ዮሴፍ ድማ፥ “ኣይትፍርሑ፤ ኣነዶ ኣምላኽ እየ?</verse>
				<verse number="20">ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ ኸዓ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክቕልበኩም እየ” በሎም። ንልቦም ዘረጋግዕ ቓላት ብምዝራብ ከዓ ኣፀናንዖም።</verse>
				<verse number="22">ዮሴፍ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። ዮሴፍ ክመውት እንተሎ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ።</verse>
				<verse number="24">ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም።</verse>
				<verse number="26">ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="2">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ስም ነፍሲ ወከፍ እቶም መምስ ቤተ ሰቦም፥ ምስ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥</verse>
				<verse number="3">ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥</verse>
				<verse number="4">ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር።</verse>
				<verse number="5">ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን።</verse>
				<verse number="10">እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።</verse>
				<verse number="12">ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም።</verse>
				<verse number="14">ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦</verse>
				<verse number="16">“ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን።</verse>
				<verse number="17">እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን።</verse>
				<verse number="18">እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።</verse>
				<verse number="19">እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ።</verse>
				<verse number="21">እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን።</verse>
				<verse number="22">ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሓደ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ከይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እቲ ህፃን ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ከዓ፥ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ።</verse>
				<verse number="3">ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ።</verse>
				<verse number="4">ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።</verse>
				<verse number="5">ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ።</verse>
				<verse number="6">ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ።</verse>
				<verse number="8">እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ።</verse>
				<verse number="9">እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።</verse>
				<verse number="11">በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዱ ነቲ ብርቱዕ ፃዕሮም ረአየ። ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ፥ ካብቶም ወገናቱ ንዝኾነ ሓደ ዕብራዊ፥ ክወቕዖ እንተሎ ረአየ።</verse>
				<verse number="12">ናብዙይን ናብቱይን ግልፅ ኢሉ፥ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ረአየ፥ ነቲ ግብፃዊ ቐተሎ፤ ኣብ ሑፃውን ደፈኖ።</verse>
				<verse number="13">ንፅባሒቱ ድማ ወፀ፤ እንሆ ዕብራውያን ዝኾኑ ኽልተ ሰብኡት ክበኣሱ እንተለዉ ረአየ። ነቲ ዝዕምፅ ዝነበረ ኸዓ “ስለ ምንታይ ንሓውካ ትወቕዖ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ድማ “ሓለቓን ፈራዲን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ዝሸመካ መን እዩ? ንስኻ ኸምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?” በሎ። ሽዑ ሙሴ “እቲ ዝገበርክዎ ብርግፅ ተፈሊጡ እዩ” ኢሉ ፈርሐ።</verse>
				<verse number="15">ፈርዖን ከዓ እዝ ነገርዙይ ሰሚዑ ንሙሴ ኽቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሃዲሙ፤ ናብ ምድሪ ምድያም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ ኣብ ጥቓ ሓደ ዒላ ኮፍ በለ።</verse>
				<verse number="16">ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።</verse>
				<verse number="17">ጓሶት ድማ መፂኦም ሰጐጕወን፤ ሙሴ ግና ተሲኡ ኣናገፈን፤ ኣባጊዐን ድማ ኣስተየለን።</verse>
				<verse number="18">ናብ ኣቦአን ራጉኤል ምስ ተመልሳ ኸዓ፥ ንሱ “ሎምስ ከመይ ኢልክን ደኣ ቐልጢፍክን መፂእኽን?” በለን።</verse>
				<verse number="19">ንሳተን ድማ፥ “ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናገፈና፤ ማይ ቀዲሑ ኸዓ ነባጊዕና ኣስተየልና” በላኦ።</verse>
				<verse number="20">ኣቦአን ድማ ነተን ኣጓላት “ኣበይ ደኣ ኣሎ? ስለ ምንታይከ ነቲ ሰብ እቱይ ሓደግክናኦ? ሕዚ እውን እንጀራ ኽበልዕ ኺዳ ፀውዓኦ” በለን።</verse>
				<verse number="21">ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ።</verse>
				<verse number="22">ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ።</verse>
				<verse number="23">ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።</verse>
				<verse number="2">መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ፥ ሙሴ ኽርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፥ ካብ ማእኸል እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ “ሙሴ! ሙሴ!” ኢሉ ፀውዖ። ሙሴ ኸዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣውያት ደቂ እስራኤል ኣባይ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እቲ ግብፃውያን ዝገፍዕዎም ዘለዉ ኸዓ ሪአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር ሕዚ ነዓ፤ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽተውፅኦም፥ ናብ ፈርዖን ክልእኸካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “እንሆ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፥ ‘ስሙ መን እዩ?’ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ኣነ እየ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ እቲ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ።</verse>
				<verse number="16">ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="17">ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="18">“እቶም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ቓልካ ኽሰምዑ እዮም። ንስኻን ንሳቶምን ናብ ንጉስ ግብፂ ኣቲኹም ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ተገለፀልና። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርብ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ ስደደና’ በልዎ።</verse>
				<verse number="19">ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።</verse>
				<verse number="21">“ንኣኻትኩም ንህዝበይ ግና ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ክህበኩም እየ። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ከዓ ጥራሕ ኢድኩም ኣይትወፁን ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፥ ካብ ጐረቤታን ካብታ ኣብ ገዛኣ እትነብርን ‘ኣቕሓ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ትለምን።’ ነዙይ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፤ ከምዙይ ጌርኩም ንግብፃውያን ክትዘምትዎም ኢኹም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ።</verse>
				<verse number="4">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት።</verse>
				<verse number="7">መሊሱ “ኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ንኢዱ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ካብ መንኰራርዕቱ ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ኣካሉ ኾነት።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን ድዩ? በሃም ወይ ፀማም፥ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን?</verse>
				<verse number="12">ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ግና “በይዛኻ ጐይታ! ብኢድ እትልእኾ ሰብ ደኣ ለኣኽ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ነደደ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “እቲ ሌዋዊ ሓውካ ኣሮን ኣሎዶ ኣይኮነን? ንሱ ፅቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። እንሆ ንሱ ኽራኸበካ ይመፅእ ኣሎ። ምስ ረአየካ ድማ ኽሕጐስ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ኽንዳኻ ንህዝቢ ኽዛረቦም እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ ንሱ ኣፍ ክኾነካ እዩ፤ ንስኻ ድማ ኽንዲ እግዚኣብሄር ክትኮኖ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኣብ ምድያም፥ “ኵሎም እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፥ ኪድ ናብ ግብፂ ተመለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”</verse>
				<verse number="24">ኮነ ድማ፥ ሙሴ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝሓደረሉ ቦታ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፤ ክቐትሎውን ደለየ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ሲፖራ ፅንፅልሒት ወሲዳ ወዳ ገረዘት፤ ንሙሴ ኸዓ “ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” እናበለት ናብ እግሩ ደርበየቶ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ከዓ ካብኡ ድሕር በለ፤ ሽዑ ኸዓ እያ ስለ ግርዘቱ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ዝበለት።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ከዓ ንኣሮን “ኪድ እሞ ንሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ተራኸቦ” በሎ። ኣሮን ከዓ ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር ከይዱ ተራኸቦ፤ ሰዓሞውን።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም።</verse>
				<verse number="30">ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="2">ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ሙሴን ኣሮንን ድማ “ኣምላኽ ዕብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፥ ፌራ ወይ ውግእ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኼድና፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርበሉ፥ ፍቐደልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ፈርዖን ድማ ኣስዒቡ “እንሆ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብዛ ሃገር በዚሑ ኣሎ፤ ካብ ስራሖም ከዓ ተብኵርዎም ኣለኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦</verse>
				<verse number="7">“ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም።</verse>
				<verse number="8">ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="9">እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤</verse>
				<verse number="11">ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።</verse>
				<verse number="12">በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ፈርዖን ከይዶም “ስለ ምንታይ ንኣና ንኣገልገልትኻ ኸምዙይ ትገብረና ኣለኻ?</verse>
				<verse number="16">ሓሰር ኣይህቡናን፤ ጡብ ከዓ ኸምቲ ናይ ቀደምኩም ግበሩ ይብሉና። እንሆ ድማ ንሕና ኣገልገልትኻ ተገረፍና። በዲሎም ዘለዉ ግና ህዝብኻ እዮም” እናበሉ ጠርዑ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ግና “ሃካያት! ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም። ‘ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ክንከይድ ስደደና’ ትብሉ ዘለኹምውን በዝ ምኽንያት እዙይ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ሕዚ ድማ ኺዱ ስርሑ፤ ሓሰር ኣይወሃበኩምን እዩ፤ እቲ ምዱብ ቍፅሪ ጡብ ክተማልኡ ግና ግድን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ድማ “ካብቲ ንመዓልቲ ዝተመደበ ቝፅሪ ጡብ ኣይተጕድሉ” ምስ ተብሃሉ መከራ ኸም ዝፀንዖም ተረድኡ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ፈርዖን ክወፁ እንተለዉ ኸዓ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚኣቶም ቆይሞም ተራኸብዎም።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶምውን “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ሹመኛታቱን ጨናና ኣኽፋእኹም፤ ክቐትሉናውን ሰይፊ ናብ ኢዶም ኣዕቲርኩምዎም ኢኹምሞ እግዚኣብሄር ይርአኹም፤ ንሱውን ይፍረድኩም” በልዎም።</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ?</verse>
				<verse number="23">ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤</verse>
				<verse number="3">ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ ብዝብል ስመይ ግና ኣይተገለፅኩሎምን።</verse>
				<verse number="4">ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ድማ፥ ግብፃውያን ባሮት ገይሮም ናይ ዝገዝእዎም ደቂ እስራኤል ብኽያት ሰሚዐ ኺዳነይ ዘከርኩ።”</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።</verse>
				<verse number="7">ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ናብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ኣቲኻ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ንኽወፁ ኽሰዶም ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ተናገሮም፤ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም ንኽነግርዎ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="14">ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።</verse>
				<verse number="15">ደቂ ስምኦን ድማ፥ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ስምኦን እዮም።</verse>
				<verse number="16">ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶም ሎቤኒ፥ ሰሜኢ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ሜራሪ ኸዓ ሞሖሊን ሙሲን እዮም። እዚኣቶም በብዓሌቶም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።</verse>
				<verse number="20">እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ ቆሬ፥ ናፌግ፥ ዝክሪ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ደቂ ዑዝኤል ከዓ፥ ሚሳኤል፥ ኤልዳፋን፥ ስትሪ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ቆሬ ድማ ኣሴር፥ ሕልቃና፥ ኣብያሳፍ እዮም። እዚኣቶም ቤተ ሰብ ቆሬ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣጓላት ፉትኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="27">እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅእዎም፥ ምስ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ዝተዛረቡ፥ ሙሴን ኣሮንን፥ እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="28">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="29">“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።</verse>
				<verse number="2">ንስኻ እቲ ኵሉ ዝእዝዘካ ዘለኹ ንገሮ፤ ኣሮን ሓውካ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኽሰዶም ንፈርዖን ይንገሮ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።</verse>
				<verse number="4">ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።</verse>
				<verse number="5">ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="6">ሙሴን ኣሮንን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ።</verse>
				<verse number="7">ምስ ፈርዖን ክዛረቡ እንተለዉ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፥ ኣሮን ከዓ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="9">“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”</verse>
				<verse number="10">ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት።</verse>
				<verse number="11">ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="12">ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን።</verse>
				<verse number="13">ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="20">ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="23">ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ማይ ሩባ ኽሰትይዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዅላቶም ግብፃውያን ዝስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ሸኻ ዀዓቱ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።</verse>
				<verse number="2">እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብመቕሰፍቲ ጭንቍራዕ ክወቕዓ እየ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን።</verse>
				<verse number="4">ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኣስማተኛታት ከዓ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ናብ ምድሪ ግብፂውን ጭንቍራዓት ኣውፅኡ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ኸዓ ንፈርዖን “ሽዑ እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ክጠፍኣ፥ ኣብ ሩባ ጥራሕውን ምእንቲ ኽውሰና፥ ምእንታኻን ምእንቲ መኳንንትኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝፅልየልካ ኣፍልጠኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።</verse>
				<verse number="11">እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ።</verse>
				<verse number="14">እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት።</verse>
				<verse number="15">ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ከምኡ ኸዓ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ብበትሩ ወቕዖ፤ ንሰብን ንኸብትን ድማ ቃርማ ወረሮ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።</verse>
				<verse number="21">ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ።</verse>
				<verse number="22">“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ መንጎ ህዝበይን ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። እዝ ምልክት እዙይ ፅባሕ ክኸውን እዩ ይብል ኣሎ ድማ በሎ።”</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ እቲ ንጉስ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ኪዱ፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዄንኩም ንኣምላኽኩም መስዋእቲ ሰውኡ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ሙሴ ግና “እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነቕርቦ መስዋእቲ ንግብፃውያን ርኽሰት እዩ፤ ስለዙይ ኣብዙይ ክንስውእ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ንግብፃውያን ርኽሰት ዝኾነ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ሰዋእና ብእምኒ ቐጥቂጦምዶ ኣይቐትሉናን?</verse>
				<verse number="27">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ፈርዖን ከዓ “ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽትከዱ ኽሰደኩም እየ፤ ሕዚ ግና ፀልዩለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ኸዓ “እንሆ ኻባኻ ውፅእ ምስ በልኩ ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ እየ፤ እቲ ፅንፅያ ኸልቢውን ኻባኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ፅባሕ ከግልስ እዩ። ንስኻ ግና ነቲ ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምስዳድ ከይትኣቢ፤ መሊስካ ኸዓ ኸይተዐሽወና” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ሙሴ ኸዓ ኻብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፤ ነቲ ፅንፅያ ኸልቢ ኸዓ፥ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ኣርሓቐ። ፅንፅያ ኸልቢ ዝብልዎ ድማ ጠፍአ።</verse>
				<verse number="32">ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።</verse>
				<verse number="2">ኣይሰድድን ኢልካ እንተ ኸልኪልካዮም ግና፥</verse>
				<verse number="3">እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄርውን ፅባሕ ነዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክገብሮ እዩ ኢሉ ጊዜ ወሰነ።</verse>
				<verse number="6">ንፅባሒቱ ኸዓ እግዚኣብሄር ነዝ ነገር እዙይ ገበሮ። ኵለን ጥሪት ግብፂ ድማ ሞታ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።</verse>
				<verse number="7">ፈርዖን ድማ ለኣኸ፤ እንሆ ኸዓ ኻብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ።</verse>
				<verse number="9">ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም።</verse>
				<verse number="11">ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከዓ ደው በል እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።</verse>
				<verse number="14">እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ።</verse>
				<verse number="16">ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="18">እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ሕዚ ልኢኽካ እንስሳኻን ኣብ በረኻ ዘሎ ሃብትኻን ናብ ገዛ ኣክብ። ኣብቶም ኣብ ገዛ ዘይኣተዉን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዅሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ እሞ ኽሞቱ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">ካብ መኳንንቲ ፈርዖን ኵሎም እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ሰቦምን እንስሳኦምን ናብ ኣባይቲ ኣህደሙ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሸለል ዝበሉ ድማ ሰቦምን እንስሳኦምን ኣብ በረኻ ሓደጉ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ናብ ልዕሊ ዅሉ በቝሊ ገራሁን በረድ ክወርድ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ።</verse>
				<verse number="24">በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ሰብ ኣብ ግብፂ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ በረድ ወረደ።</verse>
				<verse number="25">እቲ በረድ ከዓ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ በረኻ ንዘሎ ዅሉ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፤ ንዝነበረ በቝሊ ግራውቲ ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ ሰባበሮ።</verse>
				<verse number="26">ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።</verse>
				<verse number="27">ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና።</verse>
				<verse number="28">ናይ ኣምላኽ ነጐድጓድን በረድን በዚሑ እዩሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣብዙይ ኣይትቕመጡን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ኸዓ “ካብ ከተማ ምስ ወፃእኹ፥ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ፤ ሽዑ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፍለጥ፥ እቲ ነጐድጓድ ክሓድግ እዩ፤ በረድውን ኣይወርድን።</verse>
				<verse number="30">ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ስገም ሸዊቱ፥ እንጣጢዕውን ፈርዩ ነበረ እሞ ጠፍአ።</verse>
				<verse number="32">ስርናይን ዓረስን ግና፥ ጊዜኡ ገና ነበረሞ ኣይተወቕዐን።</verse>
				<verse number="33">ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ።</verse>
				<verse number="34">ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ።</verse>
				<verse number="35">ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ሙሴ ዝበሎ ድማ፥ ልቢ ፈርዖን ተረረ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸይኸዱ ኸልከሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቢ ፈርዖንን ንልቢ መኳንንቱን ኣትሪረዮ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን እቶ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።</verse>
				<verse number="4">ንህዝበይ ክኸዱ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ፅባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምፅእ እየ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ።</verse>
				<verse number="7">መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርዖን መለስዎም። ንሱ ድማ “ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፤ እቶም ዝኸዱ ግና መነመን ከም ዝኾኑ ንገሩኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን።</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣንበጣ ኸዓ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ወፀ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ የመና ብዙሕ ኣንበጣ ነበረ። ቅድሚኡ ኽንድኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይረአን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ ግና ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራሕ በይዛኻትኩም በደለይ ይቕረ በሉለይ። ነዝ ሞት እዙይ ካባይ ከርሕቐለይ ጥራሕ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ንሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮነ።</verse>
				<verse number="23">ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ኣባጊዕኹምን እንስሳኹምን ጥራሕ ደኣ ይትረፋ እምበር፥ ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንስኻዶ ኽትህበና ዄንካ?</verse>
				<verse number="26">እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውአሉ ኻብኣተን ስለ እንወስድ፥ ሓንቲ ሸኰና እኳ እንተይተረፈት ኵለን እንስሳና ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብታ እንስውአላ ኽሳዕ እንበፅሕ ንእግዚኣብሄር እንታይ ከም እንስውአሉ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን።</verse>
				<verse number="28">ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ኸዓ መሊሱ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። ደጊም ገፅካ ኣይርእን እየ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ግብፅን ገና ሓደ መዓት ከምፅእ እየ። ብድሕሪኡ ፈርዖን ካብዙይ ክትወፁ ኽሰደኩም እዩ። ክሰደኩም ጥራሕ ዘይኮነ ውፁለይ ኢሉውን ኽሰጐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴውን ኣብ ሃገር ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን የመና ዓብዪ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ብግብፂ ኽሓልፍ እየ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ሃገር ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ንጉስ ፈርዖን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ እግሪ መጥሐን ዘላ ኣገልጋሊት ክሞቱ እዮም። ኵሉ በዅሪ እንስሳውን ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዋይ ዋይታ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኸብዝሕ፥ ፈርዖን ኣይሰምዐኩምን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦</verse>
				<verse number="2">“እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም።</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ስድራ ሓደ በጊዕ በሊዖም ክውድኡ ዘይኽእሉ ውሑዳት እንተ ኾይኖም፥ ምስቲ ዝቐረበ ጐረቤቶም ኮይኖም ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። እቶም ሰባት ይቈፀሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝበልዖ መጠን ተመቒሉ ኸዓ ነቲ በጊዕ ሓቢሮም ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="5">እቲ እትመርፅዎ እንስሳ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ነውሪ ዘይብሉ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ጤል ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።</verse>
				<verse number="7">ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="9">ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="10">ካብኡ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይተትርፉ። ክሳዕ ንግሆ ዝኾነ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣቃፅልዎ።</verse>
				<verse number="11">ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።</verse>
				<verse number="12">“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።</verse>
				<verse number="15">“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።</verse>
				<verse number="16">ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="17">“ንዅሉ ሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ በዛ መዓልቲ እዚኣ እየ ዘውፃእኽዎም እሞ፥ ንበዓል ቅጫ ኣብዕልዋ። ንውሉድ ወለዶ፥ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ።</verse>
				<verse number="18">በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ።</verse>
				<verse number="19">ጓና ኾነ ወዲ ዓዲ ብዅዕ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። በተን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ብዅዕ ኣይረኸብ።</verse>
				<verse number="20">ብዅዕ ዝኾነ ነገር ኣይትብልዑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ፀዊዑ “ነንስድራኹም ዝኸውን ጡበት በጊዕ ሓሪኹም ውሰዱ እሞ፥ በጊዕ ፋሲካ ሕረዱ።</verse>
				<verse number="22">ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።</verse>
				<verse number="24">“ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ።</verse>
				<verse number="25">ናብታ እግዚኣብሄር ክህበኩም እየ ኢሉ ዘተስፈወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ጌርኩም ሓልውዎ።</verse>
				<verse number="26">ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥</verse>
				<verse number="27">‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="28">ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።</verse>
				<verse number="29">ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ፈርዖንን ኵሎም መኳንንቱን፥ ኵሎም ግብፃውያንን ብለይቲ ተስኡ። ምዉት ዘይብላ ገዛ ኣይነበረትን እሞ፥ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ኣውያት ኮነ።</verse>
				<verse number="31">ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ፀዊዑ “ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተስኡ፤ ካብ ማእኸል ህዝበይ ውፁ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።</verse>
				<verse number="32">ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ሒዝኩም ኪዱ፤ ንኣይ ከዓ መርቑኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ድማ ነቲ ገና ዘይበዅዐ ብሑቖም ኣብቲ መልወሲኦም መሊኦም፥ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ ማእገሮም ተሸከምዎ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ።</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ዅሉ ዝደለይዎ ኽህብዎም፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብፂ ሞገስ ሃቦም፤ ንሰብ ግብፂውን ዘመትዎም።</verse>
				<verse number="37">ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።</verse>
				<verse number="38">ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ።</verse>
				<verse number="39">እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="40">ደቂ እስራኤል ኣብ ግብፂ ዝነበሩሉ ዘመን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="41">በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።</verse>
				<verse number="42">እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ፤ እዛ ለይቲ እዚኣ፥ እስራኤላውያን ንውሉድ ወለዶኦም ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት ለይቲ እያ።</verse>
				<verse number="43">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="44">ብገንዘብ ዝተዓደገ ባርያ እንተሃለወ ግና፥ ምስ ገረዝካዮ ኻብኡ ይብላዕ።</verse>
				<verse number="45">ስደተኛን ንስራሕ ዝተቘፀረን ግና ኻብኡ ኣይብልዑ።</verse>
				<verse number="46">“ኣብ ሓንቲ ገዛ ይበላዕ፤ ካብቲ ስጋ ሓደ እኳ ኻብ ገዛ ንደገ ኣይተውፅኡ፤ ዓፅሙ ድማ ኣይትስበሩ።</verse>
				<verse number="47">ነዙይ፥ ኵሉ ጉባኤ ህዝቢ እስራኤል ይግበሮ።</verse>
				<verse number="48">“ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ ኽገብር እንተ ደለየ፥ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ይገረዝ፤ ሽዑ ኸም ወዲ ዓዲ ተቘፂሩ በዓል ፋሲካ ይግበር። ዘይተገርዘ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="49">ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="50">ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።</verse>
				<verse number="51">እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን።</verse>
				<verse number="7">በተን ሸውዓተ መዓልቲታት ቕጫ ብላዕ፤ ኣባኻ ብዅዕ ኣይረአ፤ ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ።</verse>
				<verse number="8">በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።</verse>
				<verse number="10">ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ።</verse>
				<verse number="11">“እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተቤዘዎ፤ እንተ ዘይተቤዘውካዮ ኸዓ ኽሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ፥ ንዅሉ በዅሪ ንዝኾነ ሰብ ተቤዘዎ።</verse>
				<verse number="14">“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።</verse>
				<verse number="15">ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ምስ ሰደዶም ድማ፥ እግዚኣብሄር እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ረአዩ፥ ተናሲሖም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ ኢሉ፥ ቀረባ እኳ እንተ ነበረት፥ በታ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣይመርሖምን።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።</verse>
				<verse number="19">ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብርግፅ ክምልከተኩም እዩ፤ ሽዑ ነዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ እስራኤል ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን ምድረ በዳ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="21">ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።</verse>
				<verse number="3">ፈርዖን ድማ ‘ደቂ እስራኤል ምድረ በዳ ዓፅዩዎም ኮለል ይብሉ ኣለዉ’ ኽብል እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።</verse>
				<verse number="9">ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።</verse>
				<verse number="10">ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ።</verse>
				<verse number="11">ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ግብፂ እንተለና ዝበልናካኸ እዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን? ኣብ ምድረ በዳ ኻብ እንመውትስ፥ ንግብፃውያን ክነገልግል ምሐሸና፤ ንግብፃውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ” በሎም።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም።</verse>
				<verse number="16">ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።</verse>
				<verse number="18">ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ብቕድሚ ደቂ እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ድማ ተመሊሱ ብድሕሪኦም ኮነ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ተልዒሉ ብድሕሪኣቶም ቆመ፤</verse>
				<verse number="20">ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።</verse>
				<verse number="21">ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።</verse>
				<verse number="22">ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።</verse>
				<verse number="23">ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="24">ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም።</verse>
				<verse number="25">መንኰራዅር ሰረገላታቶም ድማ ኣምለቘ፤ ብጭንቂ እውን ተጕዓዙ። ግብፃውያን ድማ “እግዚኣብሄር ክንዲ ደቂ እስራኤል ኮይኑ ይዋግአና ኣሎሞ ኻብኣቶም ንህደም” በሉ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም።</verse>
				<verse number="28">እቲ ማይ ናብ ሰፈሩ ተመለሰ፤ ነቶም ደድሕሪ ደቂ እስራኤል ናብ ባሕሪ ዝሰዓቡ፥ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርዖንን ድማ ደፈኖም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="29">ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ኣድሓኖም። ደቂ እስራኤል ድማ ሬሳታት ግብፃውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአዩ።</verse>
				<verse number="31">ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩሉ፦ “እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ስለ ዝበለ ኽዝምረሉ እየ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፤ ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።</verse>
				<verse number="5">ዓሚቝ ባሕሪ ኸደኖም፤ ከም እምኒ ናብ ውሽጢ ሰጠሙ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፤ ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ንፀላኢ ቐጥቀጠቶ።</verse>
				<verse number="7">ንዝቃወሙኻ ብዕቤት ግርማኻ ኣጥፋእኻዮም፤ ቍጥዓኻ ሰደድካ፤ ከም ሓሰር ድማ በልዖም።</verse>
				<verse number="8">ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ፤ ወሓዝቲ ኸዓ ኸም መንደቕ ደው በሉ፤ ማይ መዓሙቝ ድማ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ረግአ።</verse>
				<verse number="9">ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።</verse>
				<verse number="10">ንፋስ ኣንፈስካ፤ ባሕሪ ድማ ኸደኖም፤ ከም ዓረር ድማ ኣብ ዓሚቝ ማይ ሰጠሙ።</verse>
				<verse number="11">ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="12">የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕኻ፤ ምድሪ እውን ወሓጠቶም።</verse>
				<verse number="13">ብሕያዋይነትካ ንዝተቤዘኻዮም ህዝቢ፥ መራሕኻዮም፤ ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ መሕደሪኻ መራሕኻዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣህዛብ ሰሚዖም ኣንቀጥቀጡ፤ ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም።</verse>
				<verse number="15">መኳንንቲ ኤዶምያስ ተሸበሩ፤ ንመራሕቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤ ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ።</verse>
				<verse number="16">ኦ እግዚኣብሄር! ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እቲ ዝተቤዘኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ ድንጋፀን ፍርሓትን ሓዞም፤ ብሓይሊ ቕልፅምካ ኸም እምኒ ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="17">ኦ እግዚኣብሄር! ናብቲ መሕደሪኻ ክኸውን ዘዳለኻዮ ቦታ፥ ጐይታ፥ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፥ ኣብቲ ርስትኻ ዝኾነ እምባ ኣእቲኻ ኽትተኽሎም ኢኻ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክነግስ እዩ።”</verse>
				<verse number="19">ኣፍራስ ፈርዖን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተዉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኣቶም መለሶ፤ ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="20">ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።</verse>
				<verse number="21">ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦ “እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ መሪሑ ኣውፅኦም፤ ሱር ናብ ዝተብሃለ ምድረ በዳ ኸዓ ወፁ። ማይ እንተይረኸቡ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ብምድረ በዳ ተጕዓዙ።</verse>
				<verse number="23">ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።</verse>
				<verse number="26">ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ኤሊም ናብ እትብሃል ቦታ ድማ በፅሑ፤ ኣብኡ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="3">ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እንሆ፥ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጀራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብትእዛዘይ ዝኸዱ እንተ ኾይኖምን እንተ ዘይኮይኖምን ምእንቲ ኽፍትኖምስ እናወፁ በብመዓልቱ ነታ ዕለት ዝኣክል ይኣክቡ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ብሻድሸይቲ መዓልቲ ዝእክብዎ ግና ዕፅፊ እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝእክብዎ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ ንኣሮን “ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ‘እግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ’ በሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ</verse>
				<verse number="12">“ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዐ እየ። ‘ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ጊሓት ድማ እንጀራ ኽትፀግቡ ኢኹም። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ንምሸቱ ብርንሂጎታት መፂአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዛዕታ ወዲቑ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ህቦ ምስ ተነነ ኸዓ፥ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ደቂቕን ከቢብን ዝኾነ ነገር ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ምድሪ ተርኣየ።</verse>
				<verse number="15">ደቂ እስራኤል ድማ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተጠያየቑ። ሙሴ ኸዓ “እዙይ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጀራ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ዝኣኽሎ ይኣክብ። ነቶም ኣብ ድንኳን ምስኡ ዘለዉውን ብቝፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ምሸ ይውሰደሎም” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ።</verse>
				<verse number="18">ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን።</verse>
				<verse number="19">ሙሴ ድማ “ሓደ እኳ ኻብኡ ንፅባሕ ኢሉ ኣየትርፍ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ንሙሴ ስለ ዘይሰምዕዎ ግና፥ ዝተወሰኑ ሰባት ካብኡ ንፅባሒቱ ዝኾኖም ኣትረፉ፤ ንሱ ኸዓ ሓሰኸን ጨነወን። ሙሴ ድማ ተቘጥዖም።</verse>
				<verse number="21">ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ ዝኣኽሎ ይእክብ ነበረ። ሙቐት ፀሓይ እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እቲ ዝተረፈ ይመክኽ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጀራ ዕፅፊ፥ ክልተ ምሸ ንሓደ ሰብ ኣከቡ። ኵሎም መራሕቲ ደቂ እስራኤል ድማ መፂኦም ንሙሴ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ፅባሕ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት እያ፤ እትስንክትዎ ሰንክቱ፤ እተብስልዎ ኣብስሉ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ንፅባሕ ክኾነኩም ኣሕድርዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከዓ ንፅባሒቱ ክኾኖም ኣሕደርዎ። ኣይጨነወን ኣይሓሰኸንውን።</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ኸዓ “ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፤ ኣብ በረኻ ዝብላዕ ኣይትረኽቡን ኢኹምሞ ነቲ ዘሕደርኩምዎ ሎሚ ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="26">ሽዱሽተ መዓልቲ ኣክቡ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ሰንበት ስለ ዝኾነት፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይርከብን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ካብቶም ህዝቢ ገሊኣቶም በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽእክቡ ወፁ፤ ይኹን እምበር ዝብላዕ ኣይረኸቡን።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ምሕላው እትኣብዩ?</verse>
				<verse number="29">ረአዩ፥ ኣነ ሰንበት ሂበኩም ኣለኹ፤ ስለዙይ ከዓ እየ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጀራ ዝህበኩም ዘለኹ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፤ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውፃእ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ህዝቢ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ።</verse>
				<verse number="31">ህዝቢ እስራኤል ድማ ነቲ ምግቢ፥ መና ኢሎም ሰመይዎ፤ ፍረ ፃቕዳ ዝመስል ፃዕዳ ነበረ። ጣዕሙ ድማ ኸም ቅጫ መዓር ዝጥዕም ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ሙሴ ኸዓ “እግዚኣብሄር እቲ ኻብ ግብፂ ኸውፅአኩም እንተለኹ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝመገብኩኹም እንጀራ ምእንቲ ኽሪኡስ፥ ካብቲ መና ሓደ ምሸ መሊእኹም ንውሉድ ወለዶኹም ዕቘርዎ ኢሉ ኣዚዙ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ሙሴ ድማ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምፂእኻ ሓደ ጎመር መና ውሰድ፤ ንውሉድ ወለዶ ኽዕቈር ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ መና ኽዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ናይ ኪዳን ታቦት ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ።</verse>
				<verse number="36">ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="2">እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክገብሮም እየ? ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትሉኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ኣሎ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ሒዝካ፥ ካብቶም ህዝቢ ንቕድሚት ኣቢልካ ሕለፍ እሞ፥ ነታ ሩባ ዝወቓዕኻላ በትርኻ ተማሊእኻ ኺድ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣማሌቃውያን ናብ ራፊዲም መፂኦም ምስ እስራኤላውያን ውግእ ገጠሙ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፤ ምስ ኣማሌቃውያን ከዓ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሆርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ።</verse>
				<verse number="13">ኢያሱ ድማ ንኣማሌቃውያን ብስሕለት ሰይፊ ሰዓሮም።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈፂመ ኽድምስሶ እየ እሞ፥ ምእንቲ ኽዝከር ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ፤ ንኢያሱውን ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ድማ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="16">“ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዘልዓለ ሰልፊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማሌቅ ንውሉድ ወለዶ ይኹን” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">ንሲፖራ ሰበይቲ ሙሴ፥ ናብ ኣቦኣ ዮቶር ሰዲድዋ ነበረሞ፥</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ምስ ክልቲኦም ደቃ ሒዙሉ መፀ። ሙሴ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ “ጌርሳም” ዝብል ስም ኣውፅአሉ።</verse>
				<verse number="4">“ኣምላኽ ኣቦይ ረድአኒ፤ ካብ ሰይፊ ፈርዖን ኣድሓነኒ” እንትብል ድማ ነቲ ኻልኣይ ወዱ “ኣልኣዛር” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="5">ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ።</verse>
				<verse number="6">ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ኸዓ ንሓሙኡ ኽቕበሎ ወፀ፤ ሰገደሉ፤ ሰዓሞውን። ደሓን ምህላዎም ንስንሳቶም ምስ ተጠያየቑ ድማ፥ ናብ ድንኳን ኣተዉ።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።</verse>
				<verse number="9">ዮቶር ድማ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="10">ቀፂሉ ዮቶር “እቲ ኻብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ፈርዖንን ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ይመስገን። እቲ ንህዝቡ ኻብ ኢድ ግብፃውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="11">ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ።</verse>
				<verse number="13">ንፅባሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኽፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ወዓለ።</verse>
				<verse number="14">ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ድማ ንሓሙኡ “እቲ ህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክጥይቕ ናባይ ስለ ዝመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ክልተ ሰብ፥ ነገር እንትህልዎምውን ናባይ ይመፁ፤ ኣነውን ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ብፃዩን እፈርድ፤ ናይ እግዚኣብሄር ስርዓትን ሕግጋትን ድማ እነግሮም” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="17">ዮቶር ድማ ንሙሴ “እዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="18">ንስኻን እዝ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፤ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ የመና ኸቢድ እዩ እሞ፥ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም።</verse>
				<verse number="20">ስርዓታትን ሕግጋትን መሃሮም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነብሩን እንታይ ክገብሩ ኸም ዝግብኦምንውን ንገሮም።</verse>
				<verse number="21">ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።</verse>
				<verse number="22">ኵልሻዕ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ዓብዪ ነገር ዝኾነ ዅሉ ናባኻ የምፅእዎ። ንእሽተይ ነገር ዝኾነ ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። ነቲ ሸኽሚ እንተ ኣፃወሩኻ ኸዓ ንኣኻ ይቐለልካ።</verse>
				<verse number="23">እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ድማ ቓል ዮቶር ሰሚዑ፥ ኵሉ ዝበሎ ገበረ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ዅልሻዕ ይፈርድዎ ነበሩ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸዓ፥ ናብ ሙሴ የምፅእዎ ነበሩ። እቲ ንእሽተይ ዝኾነ ነገር ግና ንሳቶም ይፈርድዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ኣፋነዎ፤ ዮቶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="3">ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ እምባ ፀዊዑ “ንቤት ያእቆብ ከምዙይ በል፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ንገር፦</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ ፀውዖም፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቓልውን ኣብ ቅድሚኣቶም ተናገረ።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ።</verse>
				<verse number="11">በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሓደ እኳ ብኢድ እንተ ነኽኦ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ወይ ከዓ ብፍላፃ ይቀተል፤ ሓደ እኳ ብኢድ ኣይንክኣዮ፤ እንስሳ ይኹን ሰብ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ተነፍሐ ጥራሕ ናብቲ እምባ ይደይቡ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሙሴ ድማ ኻብቲ እምባ ናብቲ ህዝቢ ወረደ፤ ነቲ ህዝቢ ኸዓ ቐደሶ፤ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓፀቡ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ።</verse>
				<verse number="17">ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።</verse>
				<verse number="22">እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ንስኻ፥ ‘ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበር፤ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እምባ ይኹን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፥ እቶም ህዝቢ ናብ እምባ ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነዙይ ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">እግዚኣብሄርውን ነዝ ዅሉ ቓል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="2">“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።</verse>
				<verse number="3">“ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።</verse>
				<verse number="4">“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።</verse>
				<verse number="5">ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥</verse>
				<verse number="6">ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።</verse>
				<verse number="7">“ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="8">“ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።</verse>
				<verse number="9">ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፤ ኵሉ ተግባርካውን ግበር።</verse>
				<verse number="10">እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ እንስሳኻ ኾነ ኣብ ውሽጢ ደገታትካ ዘሎ ስደተኛ፥ ከቶ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።</verse>
				<verse number="12">“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።</verse>
				<verse number="13">“ኣይትቕተል።</verse>
				<verse number="14">“ኣይትዘሙ።</verse>
				<verse number="15">“ኣይትስረቕ።</verse>
				<verse number="16">“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።</verse>
				<verse number="17">“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”</verse>
				<verse number="18">ኵሎም እቶም ህዝቢ ነጐድጓድን መብረቕን ምስ ረአዩ፥ ድምፂ መለኸትውን ምስ ሰምዑ፥ እቲ እምባ ድማ ኽትኪ ምስ ረአዩ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎም ድማ ቆሙ።</verse>
				<verse number="19">ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ “ሓጢኣት ንኸይትገብሩ፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሓድረኩም፥ እግዚኣብሄር ክፍትነኩም ኢሉ እዩ ዝመፀ እሞ፥ ኣይትፍርሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም ዝተዛረብኩኹም፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="23">ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="24">“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።</verse>
				<verse number="25">ብእምኒ መሰውኢ እንተ ገበርካ፥ ብፅሩብ እምኒ ኣይትንደቆ፤ ብመፅረቢ ኽትፀርቦ እንተለኻ ኽተርክሶ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="26">ሕፍረትካ ኣብኡ ኸይቕላዕ ናብ መሰውእየይ ብደረጃ ኣይትደይብ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">“ኣብ ቅድሚኣቶም እተንብሮም ሕግጋት እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="2">ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ።</verse>
				<verse number="3">በይኑ እንተ መፂኡ፥ በይኑ ሓራ ይውፃእ። ምስ ሰበይቱ እንተ መፂኡ፥ እታ ሰበይቱውን ምስኡ ሓራ ትውፃእ።</verse>
				<verse number="4">ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሃቦ፥ ንሳ ድማ ኣወዳትን ኣጓላትን እንተ ወለደትሉ፥ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኦም ይኹኑ፤ ንሱ በይኑ ሓራ ይውፃእ።</verse>
				<verse number="5">“እቲ ኣገልጋሊ ግና፥ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፤ ሓራ ኣይወፅእን’ እንተበለ፥</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ የቕርቦ፤ ኣብ ማዕፆ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸዓ እዝኑ ብመስፈ ይስቈሮ፤ ክሳዕ ሕልፈቱ ኸዓ ይግዝኣዮ።</verse>
				<verse number="7">“ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ።</verse>
				<verse number="8">ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ።</verse>
				<verse number="10">ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ።</verse>
				<verse number="11">ነዝ ሰለስተ ነገር እዙይ እንተ ዘይገበረላ ግና ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ የውፅኣያ።</verse>
				<verse number="12">“ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፥ ይቀተል።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።</verse>
				<verse number="14">ተተናዂሉ ኾነ ኢሉ ንብፃዩ እንተ ቐተሎ ግና፥ ኣብ መሰውእየይ እንተ ተዓቘበ እኳ ኣውፂእኹም ቅተልዎ።</verse>
				<verse number="15">“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝወቕዐ፥ ይቀተል።</verse>
				<verse number="16">“ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፥ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኽበ፥ ይቀተል።</verse>
				<verse number="17">“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ፥ ይቀተል።</verse>
				<verse number="18">“ክልተ ሰባት እንተ ተበኣሱ፥ እቲ ሓደ ንብፃዩ ብእምኒ ወይ ኢዱ ጨቢጡ እንተ ወቕዖ፥ እሞ እንተ ዘይሞተ፥ ግና ሓሚሙ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፥</verse>
				<verse number="19">በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንደገ ኽወፅእ እንተ ኸኣለ፥ እቲ ዝወቕዖ ሓራ እዩ። ናይቲ ስራሕ ዘብኰሮ ጊዜ ጥራሕ ይኽሓሶ፤ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኸዓ ይከናኸኖ።</verse>
				<verse number="20">“ሰብ ንኣገልጋሊኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ ወቒዑ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፥ ይቀፃዕ።</verse>
				<verse number="21">ንሓንቲ ወይ ንኽልተ መዓልቲ እንተይሞተ እንተ ፀንሐ ግና፥ ድሮ እውን ብገንዘቡ ዝዓደጎ እዩ እሞ ኣይቀፃዕ።</verse>
				<verse number="22">“ሰባት እንተ ተበኣሱ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸዓ እንተ ደፍኡ፥ እሞ ጥንሳ እንተ ኸደ፥ ካልእ ጕድኣት ከዓ እንተ ዘይብላ፥ እቲ ዝበደለ፥ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ዝመደቦሞ ፈረድቲ ኸዓ ዘፅንዕዎ ኻሕሳ ይኽፈል።</verse>
				<verse number="23">ነታ ጥንስቲ ኸቢድ ጕድኣት እንተ በፅሓ ግና ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥</verse>
				<verse number="24">ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ፥</verse>
				<verse number="25">ምንዳድ፥ ክንዲ ምንዳድ፥ ቍስሊ፥ ክንዲ ቝስሊ፥ ሕበጥ፥ ክንዲ ሕበጥ ይከፈል።</verse>
				<verse number="26">“ሰብ ዓይኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣንቈረ፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="27">ስኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰበረውን፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="28">“ብዕራይ፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ፤ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናፃ እዩ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ፥ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ነይሮም፥ እንተይሓለዎ ተሪፉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፤ ነቲ ዋናኡውን ይቕተልዎ።</verse>
				<verse number="30">‘ጋር ነፍሲ ጥራሕ ክፈለና’ እንተ በልዎ ግና፥ ከምቲ ዝመደቡሉ ጋር ነፍሲ ይኽፈል።</verse>
				<verse number="31">እቲ ብዕራይ ወዲ ወይ ጓል እንተ ወግአውን ከምኡ ይፍረድዎ።</verse>
				<verse number="32">ብዕራይ፥ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፥ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ይኽፈሎ። ነቲ ብዕራይ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።</verse>
				<verse number="33">“ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከዓ ጕድጓድ እንተ ዀዓተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፥ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፥</verse>
				<verse number="34">እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳ ኸዓ ንእኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="35">“ብዕራይ ሓደ ሰብ፥ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ዝሞተ ብዕራይ ከዓ ይማቐልዎ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ እሞ፥ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ግና ብዕራይ፥ ክንዲ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳውን ንእኡ ይኹኖ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።</verse>
				<verse number="2">“ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።</verse>
				<verse number="3">ፀሓይ ምስ በረቐት እንተ ቐተሎ ግና፥ ዕዳ ደም ኣለዎ። “እቲ ሰራቒ ኸዓ ዝሰረቖ ይምለስ። ዝኸፍሎ ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግና፥ ነቲ ዝሰረቖ ምእንቲ ክኸፍል ይሸየጥ።</verse>
				<verse number="4">“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።</verse>
				<verse number="5">“ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ።</verse>
				<verse number="6">“ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ።</verse>
				<verse number="7">“ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ፤ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘየልዓለ ድማ ይምሓል።</verse>
				<verse number="9">“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።</verse>
				<verse number="10">“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥</verse>
				<verse number="11">እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል።</verse>
				<verse number="12">ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ።</verse>
				<verse number="13">ኣራዊት እንተ በልዖ ኸዓ፥ ንምስክር ክኾኖ ኻብቲ ተረፍ ኣራዊት የምፅእ፤ ክትክእ ግና ግድን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="14">“ሓደ ሰብ ካብ ብፃዩ ዝኾነ እንስሳ እንተ ለመነ፥ ዋናኡ ኣብ ዘይብሉ ድማ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፥ ይኽሓሶ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዋና፥ ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓሶ። ብኽራይ ዝመፀ እንስሳ እንተ ኾነ ድማ እቲ ኽሳራኡ ብኽራዩ ተኸሓሒሱ እዩ።</verse>
				<verse number="16">“ሓደ ሰብ፥ ንሓንቲ ዘይተሓፅየት ጓል እንተ ዓመፀ፥ ክብሪ ንፅህናኣውን እንተ ደፈረ፥ ገዝሚ ኣግዚሙ ይመርዓዋ።</verse>
				<verse number="17">ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል።</verse>
				<verse number="18">“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።</verse>
				<verse number="19">“ምስ እንስሳ ዝብዕልግ ፈፂሙ ይቀተል።</verse>
				<verse number="20">“እንትርፊ ንእግዚኣብሄር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስውእ ይቀተል።</verse>
				<verse number="21">“ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ።</verse>
				<verse number="22">“ንመበለታት ኮነ ንደኽታማት ኣይትግፍዕዎም።</verse>
				<verse number="23">እንተ ገፋዕኹምዎም፥ ንሳቶም ከዓ ናባይ እንተእወዩ፥ ኣነ ንኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዖ እየ።</verse>
				<verse number="24">ቍጥዓይ ምስ ነደደ ኸዓ ብሰይፊ ኽቐትለኩም እየ። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="25">“ካብቶም ምሳኻ ዝነብሩ ህዝበይ፥ ንሓደ ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕኻዮ፥ ከም በዓል ሃረፃ ኣይትኹኖ፤ ሃረፃውን ኣይትፅዓኖ።</verse>
				<verse number="26">ክዳን ብፃይካ ትሕጃ እንተ ሓዝካ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ምለሰሉ።</verse>
				<verse number="27">ዝኽደና ኽዳን ዝባኑ ንሳ ጥራሕ እያ እሞ፥ እንታይ ተኸዲኑ ደኣ ይደቅስ? እንሆ፥ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ናባይ እንተ ጠርዐ ኽሰምዖ እየ።</verse>
				<verse number="28">“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።</verse>
				<verse number="29">“ካብ ምልኣት ማዕኸንካን ካብ መፅመቝ ወይንኻን መባእ ንምቕራብ ኣይትደንጒ። “ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="31">“ንስኻትኩም ንኣይ ቅዱስ ህዝቢ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ስለዙይ ነኽላባት ደኣ ደርቢይዎ እምበር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ እንስሳ ኣይትብልዑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።</verse>
				<verse number="2">“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር።</verse>
				<verse number="3">ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ።</verse>
				<verse number="4">“ብዕራይ ፀላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፥ ናብ ዋናኡ ምለሶ።</verse>
				<verse number="5">ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ።</verse>
				<verse number="6">“ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ።</verse>
				<verse number="8">“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።</verse>
				<verse number="9">“ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም፤ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝኾነት ድማ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ።</verse>
				<verse number="10">“ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ።</verse>
				<verse number="11">በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።</verse>
				<verse number="12">“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።</verse>
				<verse number="13">“ነቲ ዅሉ ዝበልኩኹም ሓልውዎ። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፀውዑ፤ ካብ ኣፍኩምውን ኣይሰማዕ።</verse>
				<verse number="14">“ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ በዓል ግበረለይ።</verse>
				<verse number="15">“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።</verse>
				<verse number="16">“ናይቲ ኣብ ግራትካ ዝዘራእኻዮ መጀመርታ ፍረ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ በዓል ዓፂድ ኣብዕል። “ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።</verse>
				<verse number="17">“ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣባይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረአ።</verse>
				<verse number="18">“እንስሳ ሓሪድካ ደም ክትስውአለይ እንተለኻ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትሕወስ። “ስብሒ ናይቲ ንበዓለይ ዝተሰውአ፥ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።</verse>
				<verse number="19">“ነቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምፅኣዮ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስሎ።</verse>
				<verse number="20">“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።</verse>
				<verse number="23">መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።</verse>
				<verse number="24">ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ።</verse>
				<verse number="25">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ሃገርካ ጥንሲ ዝወርዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን እያ። ቍፅሪ ዘመንካ ኸብዝሖ እየ።</verse>
				<verse number="27">“ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ።</verse>
				<verse number="28">ንኤዋውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ካብ ቅድሜኻ ዘሳጕጉ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።</verse>
				<verse number="29">እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፥ ኣራዊት በረኻ ኸዓ ኸይበዝሑኻ፥ ካብ ቅድሜኻ ብሓንቲ ዓመት ኣየወግዶምን እየ።</verse>
				<verse number="30">ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም።</verse>
				<verse number="31">“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="32">ምስኣቶም ኮነ፥ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="33">ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ።</verse>
				<verse number="2">ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ድማ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ሒላባት ገበሮ፤ ፍርቂ እቲ ደም ከዓ ናብ መሰውኢ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ኸዓ ነቲ ደም ወሲዱ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ነዘን ቃላት እዚኣተን ክህበኩም እንተሎ ዝኣተዎ ኺዳን ደም እዩ” እናበለ ናብ ህዝቢ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ፥ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም፥ ናብቲ እምባ ደየቡ።</verse>
				<verse number="10">ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ረአይዎ። እቲ መርገፂ እግሩ ድማ ኻብ ብሩህ ሰማያዊ ሰንፔር ከም ዝተገብረ ምድሪ ቤት ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ረአይዎ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣይዘርግሐን፤ ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚኡ በልዑን ሰተዩን።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ዓበይቲ ድማ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፥ ኣብዙይ ፅንሑና። እንሆ ኸዓ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ፥ ናብኣቶም ይኺድ” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ናብ እምባ ደየበ፤ ነቲ እምባ ኸዓ ደመና ጐልበቦ።</verse>
				<verse number="16">ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ።</verse>
				<verse number="17">ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ፥ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ተርኣየ።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="2">“ንደቂ እስራኤል መባእ ከምፅኡለይ ንገሮም፤ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ፈትዩ ዘምፅአለይ መባእ ከዓ ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻብኣቶም እትቕበልዎ መባእ ድማ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥</verse>
				<verse number="4">ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥</verse>
				<verse number="5">ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥</verse>
				<verse number="6">ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ንጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ዝኸውን ቀመማትን፥</verse>
				<verse number="7">ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ።</verse>
				<verse number="8">“ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="10">“ሰራው ካብ ዝበሃል ኦም፥ ታቦት ስራሕ፤ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን።</verse>
				<verse number="11">ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለብጦ፥ ውሽጡን ደገኡን ለብጦ። ላዕላዩ ኸዓ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="12">ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኽልተ ቐለበት ብሓደ ገፁ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ገፁ፥ ኣብ ኣርባዕተ እግሩ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="13">ብዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር፤ ብወርቂ ድማ ለብጦ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ነቲ መፆሪ ናብቶም ኣብ ጐኒ ታቦት ዘለዉ ቐለበታት ኣእትዎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ መፆሪ ኣብቲ ቐለበታት ታቦት ይቀመጥ እምበር፥ ካብኡ ኣይውፃእ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር፥ ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ክተንብሮ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">“ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ መኽደን ግበረሉ።</verse>
				<verse number="18">ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም።</verse>
				<verse number="19">ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ከዓ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም።</verse>
				<verse number="20">እቶም ኪሩቤል ከዓ ንስንሳቶም ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፤ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይጋርድዎ። ገፅ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ይጠምት።</verse>
				<verse number="21">ነቲ መኽደን ከዓ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ፅላት ከዓ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="22">ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለፀልካ እየ፤ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፥ ኵሉ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="23">“ምንዋሑ ኽልተ እመት፥ ምስፋሑ ኸዓ ሓደ እመት፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ብዕንፀይቲ ሰራው ስራሕ።</verse>
				<verse number="24">ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ፤ ብዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ዙርያኡ ድማ ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ግበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ጠረጴዛ ዝኸውን ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ነቲ ቐለበታት ከዓ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እቲ ቐለበታት ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ይኹን።</verse>
				<verse number="28">መፅወሪ እቲ ጠረጴዛ ዝኸውን፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።</verse>
				<verse number="29">ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ።</verse>
				<verse number="30">ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር።</verse>
				<verse number="31">“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="32">ብኽልተ ወገን ናይቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይሃልዎ።</verse>
				<verse number="33">ንዅለን እተን ሽዱሽተ ጨናፍር፥ ናይ ለውዚ ዕምበባ ዝመስል፥ ነተን ሰለስተ ፅዋዓት መምስ ክበብን ዕምበባን ይሃልወን።</verse>
				<verse number="34">ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ኣርባዕተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበባታተንን ይገበሮ።</verse>
				<verse number="35">ሓደ ኽበብ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ከዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ኣብ ሕድሕደን ሽዱሽተ ጨንፈር ግበር።</verse>
				<verse number="36">ነቲ ኽበብን ጨናፍርን ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን፥ ፅሩይ ወርቂ ቐጥቂጥካ ብሓደ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="37">“ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="38">መዀስተሪኡን መዋህለሊ እቲ ዅስታርን ከዓ ኻብ ፅሩይ ወርቂ ይኹን።</verse>
				<verse number="39">ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ፥ ብሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ግበሮ።</verse>
				<verse number="40">ከምቲ ኣብቲ እምባ ዘርአኹኻ ምስሊ ጌርካ ብጥንቃቐ ስርሓዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።</verse>
				<verse number="2">ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ብሓደ ዝተላገበ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ግበር።</verse>
				<verse number="5">ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ሓምሳ ቐለበት ግበር። እቲ ቐለበታት ንስንሳቱ መረኣእይቲ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ብወርቂ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መሕደሪ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ክኸውን ከዓ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፊ ንስንሳቱ ኣጋጥሞ።</verse>
				<verse number="7">“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ።</verse>
				<verse number="8">ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።</verse>
				<verse number="9">ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር።</verse>
				<verse number="11">ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።</verse>
				<verse number="12">ፍርቂ ናይቲ ዝተረፈ ዓለባ፥ ነቲ ናይቲ ድንኳን ዳሕረዋይ ወገን ይኽደኖ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ብኽልተ ጐኑ፥ እመት በዙይ፥ እመት በቱይ፥ ሕልፊ ዘለዎ መደረብታ ዓለባታት፥ ብኽልተ ወገኑ ተንጠልጢሉ ነቲ ድንኳን ይኽደኖ።</verse>
				<verse number="14">“ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ፥ ቈራብቲ ማጓሉ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብቘርበት እንስሳ ባሕሪ ጌርካ መኽደን ግበረሉ።</verse>
				<verse number="15">“ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="16">ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን።</verse>
				<verse number="17">እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="18">ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="20">ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዝኸውን፥ ብብሩር ጌርካ፥ በብኽልተ፥ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ።</verse>
				<verse number="22">ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራቡ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="24">እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="25">ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር።</verse>
				<verse number="26">“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ወርወር ስራሕ፤ ሓሙሽተ ወርወር ብሓደ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥</verse>
				<verse number="27">ሓሙሽተ ወርወር ብኻልኣይ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሕ ግበር።</verse>
				<verse number="28">እቲ ኣብ ማእኸል ሉሕ ዘሎ ወርወር፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፤ ነቲ ወርወር ዝኣትዎ ቐለበታቱ ኸዓ ብወርቂ ስርሓዮ። ነቲ ወርወርውን ብወርቂ ለብጦ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ጌርካ ትኸሎ።</verse>
				<verse number="31">“ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር፤ ክኢላታት ሰባት ከዓ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩሉ።</verse>
				<verse number="32">ብወርቂ ዝተለበጠ መሰቓቐሊ ጌርካ፥ ብዕንፀይቲ ሰራው ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ ዓምዲ ስቐሎ፤ እቲ ዓምዲ ድማ ብብሩር ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መርገፂ ደው ኣብሎ።</verse>
				<verse number="33">እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ቝልፍታት ስቐሎ፤ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተፅሓፎ ፅላት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ መንጎ ቕድስትን፥ ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም።</verse>
				<verse number="34">ነቲ መኽደን ድማ ኣብቲ ቕድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅላት ግበሮ።</verse>
				<verse number="35">ነቲ ጠረጴዛ ኣብ ወፃኢ መጋረጃ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ኣንብሮ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ ኣብ መንፅር እቲ ጠረጴዛ ብወገን ደቡብ ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="36">“ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ግበር።</verse>
				<verse number="37">ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ መሰውኢ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።</verse>
				<verse number="2">በርባዕተ መኣዝን ኣቕርንቲ ግበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ለጊቡ ይሰራሕ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ።</verse>
				<verse number="3">ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="4">ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ መጋረዲ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ መሰውኢ ግበሮ። ንሱ ኻብ ታሕቲ ኽሳዕ እቲ ፈረቓ መሰውኢ ይብፃሕ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ መሰውኢ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው መፃውር ግበረሉ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ መሰውኢ ምፅዋሩ ምእንቲ ኽምቹ፥ ነቲ መፃውር ብኽልተ ወገኑ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ መሰውኢ፥ ጓንጓ ጌርካ ብሉሕ ስርሓዮ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ገይሮም ይስርሕዎ።</verse>
				<verse number="9">“ነቲ ድንኳን ቕፅሪ ግበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ጌርካ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ።</verse>
				<verse number="10">ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕምዲ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ይኹን።</verse>
				<verse number="11">ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕማድ ድማ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ይኹን።</verse>
				<verse number="12">“ብወርዱ ነቲ ቕፅሪ፥ ብወገን ምዕራብ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ስርሐሉ።</verse>
				<verse number="13">ስፍሓት እቲ ቕፅሪ፥ ብቕድሚት ብወገን ምብራቕ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ይኹን።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ድማ፥ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="15">ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="16">“ንኣፍ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ፥ ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሑ ዝተጠልፈ መጋረጃ ስርሐሉ። ኣርባዕተ መርገፂ ዘለዎ ኣርባዕተ ኣዕምዲ ድማ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኣብ ዙርያ ቕፅሪ ዘሎ ዅሉ ኣዕምዲ፥ ዘንግታት ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ግበረሉ። መርገፂኡ ኸዓ ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ቕፅሪ፥ ምንዋሑ ሓደ ሚእቲ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓምሳ እመት፥ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ግበሮ፤ ነዙይ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ግበሮ፤ ንመርገፂ እቲ ኣዕምዲ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="19">ኣቑሑ ድንኳን ብምሉኡን፥ ኵሉ መስርሒኡ ዝኸውንን፥ ኵሉ ሽኻላቱን፥ ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="20">“ንስኻ ሙሴ ድማ እቲ መብራህትታት ኵልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ካብ ዝተወቐጠ ኣውሊዕ ንመብራህቲ ዝኸውን ፅሩይ ዘይቲ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="21">ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።</verse>
				<verse number="2">ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ ኸዓ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእኽዎም ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ኵሎም፥ ኣሮን ብኽህነት ከገልግለኒ ንኣሮን ኣልባሳት ክገብሩሉ ንገሮም።</verse>
				<verse number="4">እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም።</verse>
				<verse number="5">ብሰማያዊ፥ ብሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን፥ ገይሮም ከዓ ይስርሕዎ።</verse>
				<verse number="6">“ነቲ ኤፉድ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብወርቅን ብሃርን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ።</verse>
				<verse number="7">ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን።</verse>
				<verse number="9">“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ።</verse>
				<verse number="10">ከከም ኣወላልዳኣቶም ጌርካ፥ ናይቶም ሽዱሽተ ስም ኣብ ሓደ እምኒ፥ ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ስም ድማ ኣብ ሓደ እምኒ ቕረፆ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ።</verse>
				<verse number="13">ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ግበር።</verse>
				<verse number="14">ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ፥ ከም ገመድ ዝተፍሓሰ ኽልተ ሰንሰለት ግበር። ነቲ ዝተፍሓሰ ሰንሰለት ምስቲ ትንጎ ኣላግቦ።</verse>
				<verse number="15">“ብብልሓት ዝተገብረ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር መፍለጢ ዝኸውን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ከም ስርሓት ኤፉድ ጌርካ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ስርሓዮ።</verse>
				<verse number="16">ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ድርብ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ይኹን።</verse>
				<verse number="17">ዝዛነቕ ጌርካ ኣርባዕተ ዝመስርዑ ኽቡር ኣእማን ኣልግበሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሰርድዮን ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ካልኣይ መስርዕ፥ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፥ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ራብዓይ መስርዕ፥ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ። ነዝ ዅሉ ብትንጎ ወርቂ ኣብ ዝተሰርሐ ስዅዓዮ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ ከዓ፥ ኣብቲ ኣእማን ከም ቅርፂ ማሕተም ይፀሓፍ።</verse>
				<verse number="22">“ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ፥ ዝተተነጐ ሰንሰለታት ግበረሉ።</verse>
				<verse number="23">ከምኡ ድማ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበረሉ። ነቲ ኽልተ ቐለበት ከዓ፥ ኣብ ክልተ መኣዝን ናይቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ፥ ክልተ ዝተተነጐ ሰንሰለት ከዓ፥ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት እሰሮ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ኽልተ ኻልእ ጫፍ ከዓ፥ ምስ ክልቲኡ ትንጎ ወርቂ ኣተሓሒዝካ፥ ኣብቲ ኤፉድ ኣብ መንኰብ ዝንጥልጠለሉ፥ ብወገን ቅድሚት እሰሮ።</verse>
				<verse number="26">ብወርቂ ጌርካ ድማ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ናብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ እሰሮ።</verse>
				<verse number="27">ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኤፉድ ብኽልተ ወገኑ፥ ብታሕቲ ዝእሰረሉ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ጥቓ እቲ መገጣጠሚኡ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ እሰሮ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክለግብ እምበር፥ ምእንቲ ኻብቲ ኤፉድ ከይፍለ፥ ነቲ ቐለበታት ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ምስቲ ቐለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ እሰሮ።</verse>
				<verse number="29">“ኣሮን ናብ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ነቲ ስም ደቂ ያእቆብ ኣብኡ ተቐሪፁ ዘሎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ይፁሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝበይ ኵልሻዕ ክዝክሮም እየ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ወሲድካ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብ ኣፍ ልቡ ይፁሮ፤ ኣሮን ድማ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፁሮ።</verse>
				<verse number="31">“ነቲ ናይ ኤፉድ ቐሚሽ ላዕሊ ኸዓ፥ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ግበሮ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ማእኸሉ ድማ ንርእሲ ዘሕልፍ ኣፍ ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ኣብ ዙርያኡ ተኸቢሱ ዝተኣልመ ናይ ክሳድ ይሃልዎ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ዙርያ ታሕተዋይ ዘፈሩ ኸዓ፥ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ዝኾነ ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎ እተን ሮማን ድማ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭላት ግበረሉ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ዙርያ እቲ ዘፈር ቀሚሽ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭልን ሮማንን እናዛነቕካ፥ ሓደ ድሕሪ ሓደ ግበሮ።</verse>
				<verse number="35">ኣሮን ብኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ ይከደኖ። ኣብ ቅድመይ ናብ መቕደስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድምፂ ናይተን ቃጭላት ክስማዕ እዩ። ስለዙይ እውን ኣይመውትን እዩ።</verse>
				<verse number="36">“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ።</verse>
				<verse number="37">ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ፥ ኣብ መጠምጠምያ ኣልግቦ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ብወገን ቅድሚት ግበሮ።</verse>
				<verse number="38">ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ።</verse>
				<verse number="39">“ብሃሪ ዝተኣልመ ቐሚሽ ውሽጢ ግበር። ብሃሪ ድማ መጠምጠምያ ግበር። ዝተጠልፈ ቕናት እውን ግበር።</verse>
				<verse number="40">ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም።</verse>
				<verse number="41">በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም።</verse>
				<verse number="42">“ብሃሪ ጌርካ ንሕፍረቶም ዝኸድን ናይ በፍታ ስረ ግበረሎም። እዙይ ካብ ሕቘኦም ክሳዕ ብርኮም ዝበፅሕ ይኹን።</verse>
				<verse number="43">ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">“ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ከምዙይ ጌርካ ቐድሶም፦ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ዝራብዕን ክልተ ማጓሉን ውሰድ።</verse>
				<verse number="2">መባዅዕቲ ዘይተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ጌርካ እንጀራን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ሰንክት።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፤ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ማጓሉን ኣቕርቦ።</verse>
				<verse number="4">“ንኣሮንን ንደቁን ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ብማይ ድማ ሕፀቦም።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።</verse>
				<verse number="7">መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ።</verse>
				<verse number="8">ንደቂ ኣሮን ኣቕሪብካ ኸዓ ቐማውሽ ውሽጢ ኽደኖም።</verse>
				<verse number="9">ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም።</verse>
				<verse number="10">“ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ዝራብዕ ከዓ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ፥ በፃብዕትኻ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።</verse>
				<verse number="14">ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ።</verse>
				<verse number="15">“ነቲ ሓደ ማጕላውን ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ማጕላ ድማ በብብልዕቱ ቘራርፆ፤ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ከዓ ሓፂብካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቘራረፀ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ነቲ ኻልኣይ ማጕላ ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ጫፍ የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን፥ ኣብ ጫፍ የማናይ ኣእዛን ደቁን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም።</verse>
				<verse number="22">“ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ስለ ዝኾነ፥ ስብሒ፥ እቲ ማጕላ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥ፥ ስብሒ ኸብዲ፥ ክልቲኡ ዀላሊት፥ ኣብ ልዕሊ ዀላሊት ዘሎ ስብሒ፥ የማናይ እግሪ ውሰድ።</verse>
				<verse number="23">ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዘይበዅዐ ቕጫ ዘለዎ መሶብ፥ ዘይቲ ዘይኣተዎ ሓደ ቕጫ፥ ዘይቲ ኣትዩዎ ዝተሰንከተ ሓደ ቕጫ፥ ሓደ ረቂቕ ቅጫ ውሰድ።</verse>
				<verse number="24">ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ፥ ኣብ ቅድመይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን፥ ምስቲ ዝተቓፀለ መስዋእቲ ጌርካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሓኸለ ናይቲ ኣሮን ክህነት ክቕበል እንተሎ ዝተሓረደ ማጕላ ውሰድ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድመይ ኣቕርቦ። እዙይ ግዴኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="27">“ነቲ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ፥ ናይቲ ኽህነት ክወሃብ እንተሎ ዝሕረድ ማጕላ፥ ግደ ኣሮንን ደቁን ዝኾነ ሓኸለን እግርን ቀድሶ።</verse>
				<verse number="28">እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።</verse>
				<verse number="29">“እቲ ኣሮን ዝኽደኖ ቅዱስ ኣልባስ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽቕብኡን ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን፥ ብድሕሪ ሞቱ ናብ ደቁ ይሕለፍ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ደቁ፥ እቲ ተኪኡ ኻህን ዝኸውን፥ እቲ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግል ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ይልበሶ።</verse>
				<verse number="31">“ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ወሲድካ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።</verse>
				<verse number="32">ኣሮንን ደቁን ድማ፥ ንስጋ እቲ ማጕላን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ቕጫን፥ ኣብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን ክቕደሱን፥ ነቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተወፈየ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ካልእ ሰብ ከቶ ኣይብልዓዮ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ ወይ ካብቲ ቕጫ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ዝኾነ እንተ ተረፈ፥ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣቃፅሎ፤ ቅዱስ እዩ እሞ ሰብ ኣይብልዓዮ።</verse>
				<verse number="35">“ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ስርዓት ክህነት ፈፅመሎም።</verse>
				<verse number="36">በብመዓልቱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ሰውእ፤ ስርየት ሓጢኣት ብምግባር ድማ ነቲ መሰውኢ ኣፅርዮ፤ ዘይቲ እናቐባእኻውን ቀድሶ።</verse>
				<verse number="37">እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ።</verse>
				<verse number="38">“በብመዓልቱ፥ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ መስዋእቲ ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="39">ነቲ ሓደ ጡቦት በጊዕ ጊሓት፥ ነቲ ኻልኣይ ጡቦት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውኣዮ።</verse>
				<verse number="40">ምስቲ ቐዳማይ ጡቦት በጊዕ፥ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ለዊስካ ሰውእ፤ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ድማ፥ ከም መስዋእቲ ጌርካ ኣፍስሰሉ።</verse>
				<verse number="41">ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ድማ፥ ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ጌርካ፥ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="42">“እዙይ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኽዛረበካ፥ ምሳኻውን ክራኸብ እየ።</verse>
				<verse number="43">ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ።</verse>
				<verse number="44">“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ።</verse>
				<verse number="45">ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="46">ንሳቶም ከዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ኢለ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር።</verse>
				<verse number="2">ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓደ እመት ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ይኹን። ነቲ መሰውኢ ፀሪብካ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ።</verse>
				<verse number="3">ብላዕላዩን ብዅሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ። ነቲ ጠርዙ ድማ ብወርቂ ጌርካ ኽፈፎ።</verse>
				<verse number="4">ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐድኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ግበሮ። እወ፥ እቲ መፆሪ ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ ኣብ ክልተ ወሰን ግበሮ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ መፆሪ ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ስርሓዮ፤ ብወርቂ ኸዓ ለብጦ።</verse>
				<verse number="6">ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ።</verse>
				<verse number="7">“ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን።</verse>
				<verse number="8">ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ።</verse>
				<verse number="10">ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="12">“ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ።</verse>
				<verse number="13">ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም እቶም ዝተቘፀሩ፥ ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ይሃቡ።</verse>
				<verse number="15">ቤዛ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ እንተለኹም፥ ሃብታም ካብ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ኣየብዝሕ፥ ድኻውን ኣየውሕድ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ቤዛ ነፍሲ ዝኽፈል ገንዘብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ተቐቢልካ፥ ንኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣውዕሎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ፥ ኣነ ምእንቲ ኽሕልዎም፥ ኣብ ቅድመይ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="18">“ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ብነሃስ ጌርካ ስራሕ። ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="19">ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓፀቡ።</verse>
				<verse number="20">ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ማይ ይተሓፀቡ። ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሮም ከገልግሉኒ ናብቲ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="21">ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓፀቡ። እዙይ ከዓ ንኣሮንን ንደቁን ንውሉድ ወለዶኦም ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ይኹን።”</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="23">“ነዝ ጥዑም ጨና ዘለዎ ቐመማት፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ፈሳሲ ኸርበ፥ ፍርቂ ናይዙይ፥ ወይ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ጥዑም ጨና ዘለዎ ቓንጫ ዶሪራ፥</verse>
				<verse number="24">ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ሳናመኪ፥ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ውሰድ።</verse>
				<verse number="25">ንእኡ ኸምቲ ኽኢላ ገባሪ ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ግበር። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኸውን።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ንታቦት ኪዳን፥</verse>
				<verse number="27">ንጠረጴዛ፥ ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዘሎ ኣቑሑ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መሳርሒኡ፥ ንመሰውኢ ዕጣን፥</verse>
				<verse number="28">ንመሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ኣቑሑኡ፥ ነቲ ሸሓነን ኣጋሮኡን ቅባእ።</verse>
				<verse number="29">ነዝ ዅሉ ቐድሶ እሞ፥ ኵሉ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ዝነኽኦ ዅሉ ኸዓ ኽቕደስ እዩ።</verse>
				<verse number="30">“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።</verse>
				<verse number="31">ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ኣካላት ዝኾነ ሰብ ኣይፍሰስ፤ በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ኻልእ ዘይትውን ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ከዓ ቅዱስ ይኹን።</verse>
				<verse number="33">እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”</verse>
				<verse number="34">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ጥዑም ጨና ዘለዎም ቀመማት፦ ከርበን ሰሊሆትን ከልበኔን፥ ፅሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዝኸውን ጌርካ ውሰድ።</verse>
				<verse number="35">ንእኡ ድማ ኸምቲ ኽኢላ ቐማማይ ዝገብሮ ጌርካ፥ ጨው ዝኣተዎ ፅሩይ፥ ቅዱስ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ግበሮ።</verse>
				<verse number="36">ካብኡ ኣድኪምካ ውቐጦ እሞ፥ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። እዙይ ንኣኻትኩም ቅዱሰ ቅዱሳን ይኹን።</verse>
				<verse number="37">በዝ ኣቃምማ እዙይ ዝተዳለወ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="38">ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ብመንፈሰይ መሊአዮ ኣለኹ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዘኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ሂበዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኸዓ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ገይሩ ስራሕ ጥበብ ዝሰርሕን፥</verse>
				<verse number="5">ክቡር እምኒ ቐሪፁ ዝስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ዝፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ዝገብርን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝኾነ ኤልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፥ ንእኡ ኽሕግዞ መሪፀዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኽገብሩ ኸዓ፥ ንዅሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ሂበዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ ንዅሉ ኣቑሑ ድንኳንን፥</verse>
				<verse number="8">ነቲ ጠረጴዛን ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲልን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ መሰውኢ ዕጣንን፥</verse>
				<verse number="9">ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡን፥</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥</verse>
				<verse number="11">ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="13">“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም።</verse>
				<verse number="14">“ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፥ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንኣኣ ዘርከሰ ይቀተል፤ ኵሉ ብኣኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሐ ኸዓ ኻብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="15">ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።</verse>
				<verse number="16">ደቂ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሮም እናብዓሉ ንሰንበት ይሓልዉ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ እግዚኣብሄር፥ ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ፈጠርኩ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፍኩ። ስለዙይ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ናይ ዘለኣለም መለለዪት እያ።”</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="2">ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ።</verse>
				<verse number="6">ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ።</verse>
				<verse number="8">ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ?</verse>
				<verse number="12">ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።</verse>
				<verse number="13">‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ድማ ተመሊሱ፥ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ ኻብቲ እምባ ወረደ። ንሳተን ብኽልቲኡ ገፀን፥ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ዝተፅሓፋ ነበራ።</verse>
				<verse number="16">እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ኢያሱ ድማ እቶም ህዝቢ ክዕልሉን ዋዕ ዋዕ ክብሉን ምስ ሰምዐ፥ ንሙሴ “ኣብቲ ሰፈር ድምፂ ውግእ ይስማዕ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ኸዓ “እዙይ፥ ድምፂ ዝሰዓሩ ኣይኮነን፥ ድምፂ ዝተስዓሩውን ኣይኮነን፤ ኣነ ድምፂ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ዝገበርዎ ምስሊ ምራኽ ድማ ወሲዱ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፥ ጥሒኑ ኣድከሞ፤ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም።</verse>
				<verse number="21">ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኣሮን ከዓ “ጐይታይ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፤ እዝ ህዝቢ እዙይ ክፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="23">‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በሉኒ።</verse>
				<verse number="24">ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”</verse>
				<verse number="25">እቲ ህዝቢ ኸም ዝዓበደ፥ ኣሮን ነቶም ህዝቢ ስዲ ኸም ዝሓደጎም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ከዓ ኸም ዝተነወሩ ሙሴ ረአየ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ “ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዅሉ ናባይ ይምፃእ” በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸዓ ናብኡ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ። ካብ በሪ ናብ በሪ ኸዓ ኣብዝ ሰፈር ተመላለሱ፤ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፥ ንፈታዊኡ፥ ንጐረቤቱ ይቕተል’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ደቂ ሌዊ ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞቱ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ድማ “ሎሚ በረከት ምእንቲ ኽወሃበኩም ብደቅኹምን በሕዋትኩምን ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ግበሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ድሕሪዙይ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ “ኣየ! እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኣቶም ብምግባር፥ ዓብዪ ሓጢኣት ገበሩ።</verse>
				<verse number="32">ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ነቲ ዝበደለኒ እየ ኻብ መፅሓፈይ ዝድምስሶ።</verse>
				<verse number="34">ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ።</verse>
				<verse number="2">ቀቅድሜኹም ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንሓዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ክሰጎም እየ።</verse>
				<verse number="3">ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ ኺዱ። ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ምእንቲ ኸየጥፍአኩምስ፥ ምሳኻትኩም ኣይድይብን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ናብቲ ድንኳን ኣቢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሲኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ይጥምቶ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ነቲ ዓምዲ ደመና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ኽሪኦ እንተሎ፥ ተሲኡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ከዕርፈካውን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካስ ካብዙይ ኣይተውፅአና።</verse>
				<verse number="16">ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ኸዓ “እምበኣር፥ በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።</verse>
				<verse number="20">ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብዝ ጥቓይ ኣብ ኰዅሒ ደው እትብለሉ ቦታ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ንስኻ ኸዓ ብድሕሪተይ ክትርእየኒ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።</verse>
				<verse number="2">ንፅባሕ ንግሆ ድማ ተዳሎ፤ ኣንጊህኻ ኸዓ ናብ እምባ ሲና ደይብ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ድማ ኣብ ቅድመይ ደው በል።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ እምባ ኸዓ ሓደ እኳ ኣይረአ፤ ኣባጊዕን ከፍትን ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኣይውፈራ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥</verse>
				<verse number="7">ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ድማ ቐልጢፉ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሰገደ።</verse>
				<verse number="9">“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="13">መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”</verse>
				<verse number="14">“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ።</verse>
				<verse number="15">ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ።</verse>
				<verse number="16">እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።”</verse>
				<verse number="17">“ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።”</verse>
				<verse number="18">“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”</verse>
				<verse number="19">“ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ ተባዕታይ ዝኾነ በዅሪ እንስሳኹም፥ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ናተይ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንበዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተቤዘውዎ። ክትብዘውዎ እንተ ዘይደሊኹም ግና ኽሳዱ ቘልዕፅዎ፤ ካብ ደቅኹም ከዓ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ተቤዘውዎ።” “ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።”</verse>
				<verse number="21">“ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።”</verse>
				<verse number="22">“ናይ ሸውዓተ ሱባዔ በዓል ክትገብር ኢኻ፤ ንሱውን መጀመርያ ዓፂድ ስርናይ እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ፥ በዓል ምትሕሳስ ክትገብር ኢኻ።”</verse>
				<verse number="23">“ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ።</verse>
				<verse number="24">ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ፤ ንኣዋሳኒኹም ድማ ኸስፍሖ እየ እሞ፥ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ክትረአዩ ኢልኩም ክትመፁ እንተለኹም፥ ንምድሪኹም ዝምነያ ሰብ ኣይህሉን እዩ።”</verse>
				<verse number="25">“ንደም መስዋእተይ ምስ ዝበዅዐ እንጀራ ኣይትሰውኡ፤ ካብቲ ንበዓል ፋሲካ ዝተሓርደ መስዋእቲ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።”</verse>
				<verse number="26">“እቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድሪኹም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣእትውዎ።” “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።”</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “በዝ ቓል እዙይ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፥ ነዝ ቓል እዙይ ፀሓፎ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="29">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ፥ ካብ እምባ ሲና ኽወርድ እንተሎ፥ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ፥ ገፁ ኸም ዘንፀባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፥ እንሆ ገፁ የንፀባርቕ ነበረ እሞ፥ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="31">ሙሴ ግና ፀውዖም፤ ኣሮንን ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤልን ድማ ናብኡ ተመለሱ፤ ሙሴ ኸዓ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="32">ድሕሪዙይ ከዓ ዅሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ዝሃቦ ትእዛዝ ነገሮም።</verse>
				<verse number="33">ሙሴ ምስኣቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ ገፁ ተጐልበበ።</verse>
				<verse number="34">ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ክዛረብ ናብ ቅድሚኡ ኽኣቱ እንተሎ፥ ካብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ነቲ ጕልባቡ ይቐልዖ ነበረ። ወፂኡ ኸዓ ነቲ ዝተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝሃበኩም ትእዛዝ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።</verse>
				<verse number="3">ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።”</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="5">ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ቍርባን ኣቕርቡ፤ ናይ ልቢ ፍቓድ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ቍርባን የምፅእ፤ ዝፈቐዶ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥</verse>
				<verse number="6">ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን፥ ፀጕሪ ጤል፥</verse>
				<verse number="7">ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ቈራብቲ እንስሳ ባሕሪ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥</verse>
				<verse number="8">ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ቀመማት፥</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኤፉድን፥ ኣብ የማነ ፀጋም ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ኦኒክስን፥ ካልእ ክቡር እምንን፥ ንእግዚኣብሄር መባእ የምፅእ።</verse>
				<verse number="10">“ኵሎም እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጥበበኛታት ይምፅኡ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ፤</verse>
				<verse number="11">ነቲ ድንኳን ምስ ዓለባኡን መደረብታኡን ቍልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥</verse>
				<verse number="12">ታቦቱን መፃውሩን፥ እቲ ስርየት ዝርከበሉ መኽደንን ዝጋርዶ መጋረጃን፥</verse>
				<verse number="13">ሰደቓን እቲ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ከምኡ ኸዓ ሕብስቲ ቝርባን፥</verse>
				<verse number="14">እቲ ዘብርህ ቀዋሚ ቐንዲልን ኣቑሑኡን፥ መብራህትን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥</verse>
				<verse number="15">መሰውኢ ዕጣንን መፃውሩን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ዝኸውን መጋረጃን፥</verse>
				<verse number="16">ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥</verse>
				<verse number="17">መጋረጃታት ቅፅርን ምስ ናይ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ከምኡ ኸዓ መጋረጃ ኣፍ ደገ ቕፅሪ፥</verse>
				<verse number="18">ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኻህናት ኣብ መቕደስ ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ኣልባስ፥ ነቲ ካህን ኣሮን ዝለብሶ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን ይስርሑ።”</verse>
				<verse number="20">ኵሉ እቲ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ሙሴ ወፀ።</verse>
				<verse number="21">ኵሉ ልቡ ዝነኽኦ፥ ነፍሲ ወከፍ መንፈሱውን ዘለዓዓሎ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን መስርሒ መባእ ኣምፅአ፤ ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቅዱሳት ኣልባስን ዝኸውን ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="22">ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="23">ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ሃርን ፀጕሪ ጤልን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉን ቈራብቲ እንስሳ ባሕርን ዝነበሮ፥ ኵሉ ሰብ ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="24">ኵሉ ብሩርን ነሃስን ዘቕረበ፥ ከም መባእ ንእግዚኣብሄር ወፈየ። ነፍሲ ወከፍ ዕንፀይቲ ሰራው ዝነበሮ ሰብ፥ ንዝኾነ ስራሕ ኣገልግሎት ክኸውን ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="25">ጥበብ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፥ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ኣምፅኣ።</verse>
				<verse number="26">ኵለን ድሌትን ጥበብን ዘለወን ኣንስቲ ኸዓ ፀጕሪ ጤል ፈተላ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ኣሕሉቕ ድማ ኦኒክስን፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝዛነቕ ክቡር ኣእማንን፥</verse>
				<verse number="28">ንመብራህትን ንመቕብኢ ዘይትን ንምዑዝ ዕጣን ዝኸውን፥ ቀመማትን ዘይትን ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="29">ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="30">ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ረአዩ፥ እግዚኣብሄር ንባስልኤል ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሁር፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ሓረዮ።</verse>
				<verse number="31">ንእኡ ድማ ብመንፈሱ መልኦ፤ ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ኽኽእል ከዓ፥ ጥበብን ፍልጠትን ክእለትን ሃቦ።</verse>
				<verse number="32">ብብልሓት ንምብልሓት፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ንምስራሕ፥</verse>
				<verse number="33">ዝዛነቕ ኣእማን ንምቕራፅን ዕንፀይቲ ንምፅራብን፥ ኵሉ ዓይነት ናይ ስራሕ ብልሓት፥</verse>
				<verse number="34">ንእኡን ንኤልያብ፥ ወዲ ኣሂሳሚክ ካብ ነገድ ዳንን፥ ንኻልኦት ክምህሩ ኽእለት ሃቦም።</verse>
				<verse number="35">ንኣኣቶም ኵሉ ስራሕ ብልሓትን ምቕራፅን ንምስራሕ፥ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ከዓ፥ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን፥ ንስራሕ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ስራሕ ብብልሓት ንምሕሳብን፥ ብጥበባት መልኦም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ስለዙይ “ባስልኤልን ኤልያብን ኵሎም ጥበብ ዘለዎም ሰባትን መቕደስ ንምስራሕ ዘድሊ ዅሉ ስራሕ ምስራሕ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦም፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ክገብሩ እዮም።”</verse>
				<verse number="2">ሙሴ ድማ ንባስልኤልን ንኤልያብን፥ ንዅሎም እቶም መፂኦም ነዝ ስራሕ እዙይ ክሰርሑ ድሌት ዘለዎምን፥ እግዚኣብሄር ጥበብ ዘሕደረሎም ክኢላታት ሰባትን ፀውዐ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ከዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ንስራሕ መቕደስ ኢሎም ዘምፅእዎ ዅሉ ውህብቶ፥ ክሰርሑሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ንሳቶም ድማ፥ ነቲ ብድሌት ዝህብዎ ውህብቶ፥ ንግሆ ንግሆ የምፅእዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ንዅሉ ስራሕ መቕደስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ስራሖም ናብ ሙሴ መፂኦም፦</verse>
				<verse number="5">“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ስራሕ ንምስራሕ ካብ እቲ ዘድሊ ሕልፊ የምፅእ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ሙሴ “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንመስርሒ መቕደስ ዝኸውን ውህብቶ ኣይተምፅኡ” ኢሉ ኣብ ሰፈር ኣዘዘ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ኸየምፅኡ ተኸልከሉ፤</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝተውሃበ ነቲ ዅሉ ዝስራሕ ስራሕ ኣኺሉ ዝተርፍ ነበረሞ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛታት፥ ነቲ ድንኳን ብዓሰርተ ዓለባታት ሰርሕዎ፤ ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ገበርዎ፤ ብብልሓት ዝተጠልፈ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="9">እቲ መጋረጃ ንውሓቱ ዕስራን ሾመንተን እመት፥ ወርዱ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኵሉ እቲ ዓለባታት፥ ሓደ ዓይነት ስፍሪ ዘለዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ፤ ነቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባታትውን፥ ንሕድሕዱ ኣጋጠምዎ።</verse>
				<verse number="11">ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ገበሩሉ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ድማ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="12">ኣብቲ ሓደ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። እቲ ቐለበታት ድማ፥ ንሕድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸዓ ሰርሑ እሞ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፍታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ። እቲ ድንኳን ድማ ሓደ ኾነ።</verse>
				<verse number="14">ንመደረብታ እቲ ድንኳን ድማ፥ ካብ ፀጕሪ ጤል ዓለባታት ገበሩ። ኵሉ እቲ ዓለባታት ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ነበረ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዓለባ ንውሓቱ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ፤ እቲ ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ከዓ ማዕረ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ ኣብ ሓደ፥ ነቲ ሽዱሽተ ዓለባ ኸዓ ንበይኑ ኣብ ሓደ ኣጋጠምዎ።</verse>
				<verse number="17">ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ መደረብታ ኽጋጠም እሞ ሓደ ክኸውን፥ ሓምሳ ቝልፊ ነሃስ ገበሩ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ መደረብታ ድማ፥ ካብ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ መኽደን ገበሩሉ። ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ፥ ካብ ቈርበት እንስሳ ባሕሪ፥ ካልእ መኽደን ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ድንኳን ከዓ፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ደው ዝብል ሉሕ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ሉሕ ንውሓቱ ዓሰርተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመትን ፈረቓን ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ነንሕድሕድ ሉሕ መጣምቲ ዝኾኑ ኸክልተ መተሓሓዚ ገበሩሉ። ንዅሉ እቲ ሉሓት ድንኳን ከዓ ኸምኡ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="23">ብወገን ደቡብ ነቲ ድንኳን ዕስራ ሉሓት ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ፥ ብብሩር ዝተሰርሐ ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ መተሓሓዚ ዘለዎ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሓት ከዓ፥ ንኽልተ ጉጭ ከክልተ እግሪ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="25">በቲ ኻልኣይ ወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ፥ ዕስራ ሉሕ፥ ገበሩ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ከክልተ እግሪ እናገበሩ፥ ብብሩር ኣርብዓ እግሪ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="27">ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራብ ድንኳን፥ ሽዱሽተ ሉሕ ገበሩ።</verse>
				<verse number="28">ንዅርናዓቱ ኸዓ ኽልተ ሉሕ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ድርብ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ሉሓት ሸሞንተ፥ እቲ ብብሩር ዝተገብረ ኣእጋር ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ዓሰርተ ሽዱሽተ እግሪ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ብዕንፀይቲ ሰራው ድማ ጋድማት ገበሩ፤ ብሓደ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ሓሙሽተ፥</verse>
				<verse number="32">ብኻልኣይ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ከዓ ሓሙሽተ ጋድም፥ ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራቡ ንዘሎ ሉሓት ድማ፥ ሓሙሽተ ጋድም ገበሩ።</verse>
				<verse number="33">ነቲ ማእኸላይ ጋድም ከዓ ብማእኸል እቲ ሉሓት ገይሩ፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ሓደ ወሰን ከም ዝሓልፍ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="34">ነቲ ሉሓት ብወርቂ ለበጥዎ፤ ነቲ ጋድማት ዝኣትዎ ቐለበታት ድማ ብወርቂ ገበርዎ፤ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጥዎ።</verse>
				<verse number="35">ነቲ መጋረጃ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ሰርሕዎ። ብብልሓት ዝተጠልፉ ኪሩቤል ድማ ሰኣሉሉ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ኣርባዕተ ዓምዲ ገበሩ። ብወርቂ ኸዓ ለበጥዎ፤ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበሩ።</verse>
				<verse number="37">መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከዓ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ጠለፍዎ።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ሓሙሽተ ኣዕምዱ ድማ፥ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበርዎ። ነቲ ጕልላቱን ዘንግታቱን ብወርቂ ለበጥዎ። እቲ ሓሙሽተ ኣእጋሩ ኸዓ ነሃስ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">ባስልኤል ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ታቦት ሰርሐ፤ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ ኸዓ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ውሽጡን ደገኡን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="3">ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፥ ክልተ ቐለበት ብሓደ ወገን፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ወገን ገበሮ።</verse>
				<verse number="4">ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ መፃውር ሰርሐ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ድማ፥ ነቲ መፃውር ናብቲ ኣብ ጐኒ ታቦት ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="6">ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ መኽደን መስተስረዪ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">ወርቂ ቐጥቂጡ ኽልተ ኪሩቤል ሰርሐ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ መኽደን መስተስረዪ ገበሮ።</verse>
				<verse number="8">ሓደ ኪሩቤል ብሓደ ወሰን፥ ሓደ ኪሩቤል ድማ በቲ ሓደ ወሰን፥ ምስቲ መኽደን መስተስረዪ፥ ብሓደ ኣላጊቡ ሰርሖም።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኪሩቤል መጠማምቲ ነበሩ፤ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፥ ነቲ መኽደን መስተስረዪ በኽናፎም የፅልሉሉ ነበሩ። ገፆም ከዓ ናብቲ መኽደን መስተስረዪ ኣቢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="11">ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ዙርያኡ ኸዓ ወርቂ ኣኽሊል ገበረሉ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዙርያኡውን ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ገበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ልዕሊዑ ብወርቂ ኣኽሊል ኸፈፎ።</verse>
				<verse number="13">ወርቂ ኣፍሲሱ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረ፤ ንኣኣተን ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበረ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ቐለበታት፥ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እሞ፥ እቲ ጠረጴዛ ብእኡ ኽፅወር፥ ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ መፆሪ ጠረጴዛ ዝኾነ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ድማ ለበጦ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="17">ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ቐዋሚ ቐንዲል ሰርሐ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስ እግሩን ዘንጉን፥ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባ፥ ነቲ ጕንዱ ድማ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="18">ብኽልተ ጐኑ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ነበሮ።</verse>
				<verse number="19">በቲ ቐዳማይ ጨንፈር ዝመዓጐን ዕንበባኡን ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉ ፅዋዓት፥ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዝመዓጐን ዕንበባኡን፥ ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉን ፅዋዓት፥ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲል ንዝወፁ፥ ነቶም ሽዱሽተ ጨናፍር ገበረ።</verse>
				<verse number="20">ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስል ኣርባዕተ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን ዝመዓጐ ዕምበባን ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር ነበረ። እተን ጨናፍር ብዝሐን ሽዱሽተ ነበራ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዝመዓጐ ዕምበባን ጨናፍርን ምስቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ፅሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ፥ መዀስተርን መዋህለሊ ርስሓትን ዘለዎ ሸውዓተ ቕሉዕ ቐንዲል ገበረ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ንዅሉ ኣቑሑኡን፥ ብሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="25">ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ዕጣን ዝትክየሉ መሰውኢ ሰርሐ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፤ ንውሓቱ ሓደ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ነበረ። ነቲ መሰውኢ ፀሪቡ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ።</verse>
				<verse number="26">ላዕላዩን ኵሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ድማ ናይ ወርቂ ኸፈፍ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ትሕቲ ኸፈፍ ድማ፥ ክልተ ናይ ወርቂ ቐለበት ገበረሉ። መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ገበሮ። እቲ መፃውር ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣጥበቖ።</verse>
				<verse number="28">ነቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ፥ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውኢ ገበረ። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="2">በርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። ነቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ኣልጊቡ ሰርሖ፤ ብነሃስ ከዓ ለበጦ።</verse>
				<verse number="3">ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ቍራዕን መፅሓሪን ውንጭሕትን መውግኢ ስጋን ምድጃን ገበረ፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ብነሃስ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ፥ ብነሃስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ኣልገቦ፤ ብወገን ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ኸም ዝበፅሕ ድማ ገበሮ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ነሃስ ከዓ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ፥ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረሉ፤</verse>
				<verse number="6">መፃውር ከዓ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብነሃስ ድማ ለበጦ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ መፃውር ድማ፥ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን፥ ናብቲ ኣብ ጐኒ መሰውኢ ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ። እቲ መፃውር ካብ ሉሕ ጓንጓ ኾይኑ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ገበራ ብነሃስ ገይሩ ሰርሐ፤ ምስ ኣጋሮኡ ሰርሐ፤ እዝ ነሃስ እዙይ፥ እተን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ዘምፅኣኦ ናይ ነሃስ መስትያት እዩ።</verse>
				<verse number="9">ቅፅሪ ድማ ገበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ።</verse>
				<verse number="10">ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ገበረ፤ ናይቶም ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን፥ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ሰርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ብወገን ምዕራብ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበረ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ብወገን ምብራቕ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምስፍሑ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ዓምዲ ድማ ነበሮ።</verse>
				<verse number="15">ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ፤ ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ነበሮ።</verse>
				<verse number="16">ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቕፅሪ ዝነበረ መጋረጃታት፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ኣእጋር እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ካብ ነሃስ ነበረ። ናይቶም ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፤ ኵሉ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ እውን ዘንግታት ብሩር ነበሮ።</verse>
				<verse number="18">መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ድማ ኻብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ነበረ። ከምቲ መጋረጃታት ቅፅሪ፥ ንውሓቱ ዕስራ እመት ቁመቱ ሓሙሽተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ ኣዕማድን፥ ኣርባዕተ መርገፂን ድማ ነበሮ። መሰቓቐሊኡን ዘንግታቱን ብሩር ነበረ፤ ጕልላቱ ድማ ብብሩር ዝተለበጠ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ሽኻላት እቲ ድንኳንን ሽኻላት እቲ ቕፅርን ብምሉኡ ብነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="23">ኤልያብ፥ ወዲ ኣሒሳማክ ካብ ነገድ ዳን ከዓ ምስኡ ነበረ። ንሱ ቐራፅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን ሃርን ዝሰርሕ ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንዅሉ ስራሕ ቤተ መቕደስ መስርሒ ክኸውን ዝተውሃበ ወርቂ፥ ሽሕ ኪሎ ግራም ኮነ።</verse>
				<verse number="25">በቶም ዝተቘፀሩ ህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ብሩር ድማ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ኪሎ ግራም ኮነ።</verse>
				<verse number="26">እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ካብቲ ብሩር፥ ንሓደ መርገፂ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ብምፍሳስ፥ ነቲ ድንኳንን ነቲ መጋረጃታትን ዝኸውን፥ ሚእቲ መርገፂ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ወድአ።</verse>
				<verse number="28">በቲ ሰላሳ ኺሎ ግራም ብሩር ድማ፥ ነቲ ኣዕምዲ መሰቓቐሊ ገበረሉ፤ ንጕልላቱ ኸዓ ለበጦ፤ ዘንግታትውን ገበረሉ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝተውሃበ ነሃስ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ብእኡ ገይሩ መርገፂ ኣፍ ደገ ናይቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ መሰውኢ ምስ መጋረዲኡን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውእን፥</verse>
				<verse number="31">ኣእጋር ቅፅርን መርገፂ ኣፍ ደገ ቅፅርን፥ ኵሉ ሽኻላት ድንኳንን ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ሰርሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ኤፉድ ብወርቅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ገይሮም ሰርሕዎ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ።</verse>
				<verse number="4">ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ብትንጎ ወርቂ ዝተኸበ እምኒ ኦኒክስ ኣዳለዉ፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም ከዓ ስም ደቂ እስራኤል ቀረፁሉ።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ማእገር ኣብ ዝውዕል ኤፉድ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ።</verse>
				<verse number="9">ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ድማ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤</verse>
				<verse number="11">ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤</verse>
				<verse number="12">ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤</verse>
				<verse number="13">ኣብ ራብዓይ መስርዕ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዝ ዅሉ ብወርቂ ኣብ ዝተገብረ ትንጎ ተሰዂዑ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣእማን ድማ፥ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ስም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ፥ ከም ቅርፂ ማሕተም ኣብቲ ኽቡር ኣእማን ተቐርፀ።</verse>
				<verse number="15">ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝኸውን ድማ፥ ብፅሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ፍሒሶም ሰንሰለታት ገበሩ።</verse>
				<verse number="16">ክልተ ትንጎ ወርቅን ክልተ ቐለበት ወርቅን ገበሩ እሞ፥ ነቲ ኽልተ ቐለበት ኣብቲ ኽልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኽልተ ትንጎ ወርቂ ድማ፥ ኣብቲ ወሰና ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት ገበርዎ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣንፊ ናይቲ ኽልተ ትንጎ ድማ፥ ኣብቲ ኽልተ መሰኵዒ ኣጋጢሞም፥ ኣብቲ ኽልተ ማእገር ኤፉድ ብወገን ቅድሚት ገበርዎ።</verse>
				<verse number="19">ክልተ ቐለበት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኽልተ ቐለበት ወርቂ ገበሩ እሞ፥ ኣብ ክልቲኡ ማእገር ኤፉድ ብታሕቲ፥ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፉድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="21">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክኸውን፥ ካብቲ ኤፉድ ድማ ኸይፍለ፥ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ብቐለበታቱ ምስ ቀለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ።</verse>
				<verse number="22">ነቲ ናይ ላዕሊ ኤፉድ ቐሚሽ ብምሉኡ፥ ብሰማያዊ ኻብ ዝተኣልመ ዓለባ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ቐሚሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሮም፥ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ኸበስዎ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ቐሚሽ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ዘፈሩ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ፥ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ሮማናት ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="25">ብፅሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ ቓጭላት ገበሩ። ነቲ ቓጭላት ምስቲ ሮማናት እናዛነቑ፥ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ፥ ብዙርያኡ ገበርዎ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከገልግሉ እንተለዉ ምእንቲ ኽለብስዎ፥ ሓደ ቓጭልን ሓደ ሮማንን እናዛነቑ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ ብዙርያኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="27">ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብሃሪ ገይሮም፥ ብማእለማ ዝተኣልመ ቐማውሽ ታሕትን፥</verse>
				<verse number="28">መጠምጠምያን ናይ ገይፂ ቖብዕን ገበሩሎም። ስረታት ድማ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ገበሩሎም።</verse>
				<verse number="29">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ቕናት ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብምጥላፍ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ብፅሩይ ወርቂ ቅዱስ ኣኽሊል ሰሪሖም ድማ፥ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ፅሕፈት ፀሓፉሉ።</verse>
				<verse number="31">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ምእንቲ ኽእሰር፥ ኣብቲ ኣኽሊል ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩ።</verse>
				<verse number="32">ኵሉ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሰሪሑ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ነቲ ድንኳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ቝልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥</verse>
				<verse number="34">ነቲ መደረብታ ዝኸውን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጕላታትን፥ ልስሉስ ቈራብትን፥ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃን፥</verse>
				<verse number="35">ነቲ ታቦት ኪዳንን መፃውሩን ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥</verse>
				<verse number="36">ነቲ ጠረጴዛ ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥</verse>
				<verse number="37">ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥</verse>
				<verse number="38">ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ ዝኸውን መጋረጃን፥</verse>
				<verse number="39">ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ምስቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን መፃውሩን፥ ኵሉ ኣቑሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፥</verse>
				<verse number="40">ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥</verse>
				<verse number="41">ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="42">ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ።</verse>
				<verse number="43">ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ጠረጴዛ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፥ እቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ኣቑሑ ስርዐሉ። ቀዋሚ ቐንዲል ኣእቲኻ ኸዓ፥ እቲ ቐናዲሉ ኣንብረሉ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ።</verse>
				<verse number="6">“ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንብሮ፤ ማይ ከዓ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ቕፅሪ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፤ ነቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ግበሮ።</verse>
				<verse number="9">“መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ኸዓ፥ ነቲ ድንኳንን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፤ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውኢን ንዅሉ ኣቑሑኡን ድማ ቕብኣዮ፤ ነቲ መሰውኢውን ቐድሶ እሞ፥ እቲ መሰውኢ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከዓ ቕብኣዮን ቀድሶን።</verse>
				<verse number="12">“ንኣሮንን ንደቁን ድማ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕሪብካ ብማይ ሕፀቦም።</verse>
				<verse number="13">ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን።</verse>
				<verse number="14">ንደቁ ኸዓ ኣቕሪብካ ቐማውሽ ኽደኖም።</verse>
				<verse number="15">ነቦኦም ከም ዝቐባእኻዮ፥ ንኣኣቶም ድማ ኻህናተይ ክኾኑኒ ቕብኣዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም፥ ብኽህነት ከገልግሉኒ ዘለኣለማዊ ምቕባእ ይኹነሎም።”</verse>
				<verse number="16">ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
				<verse number="17">ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ኣቖሞ፤ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ሉሓቱ ኣቖሞ፤ ጋድማቱ ኣእተወ፤ ኣዕምዱውን ተኸለ።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ፅላት ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ፥ ነቲ ታቦት መፃውር ገበረሉ፤ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደን ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="21">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ጋረዶ።</verse>
				<verse number="22">ነቲ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ ድንኳን ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="27">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ኣብኡ ምዑዝ ዕጣን ዓጠነ።</verse>
				<verse number="28">ነቲ መጋረጃ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ገበሮ።</verse>
				<verse number="29">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መሕደሪ ናይ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ እሞ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣብኡ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ገበራ ድማ፥ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፥ ንመሕፀቢ ዝኸውን ማይ መልኦ።</verse>
				<verse number="31">ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከዓ፥ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕፀቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉን፥ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ይሕፀቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ከዓ፥ ቅፅሪ ኣቖመ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ድማ፥ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ነቲ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="34">ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="36">እቲ ደመና ኻብቲ ድንኳን እንትለዓል፥ ደቂ እስራኤል ብዅሉ መንገዶም ይጐዓዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="37">እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ ዝለዓል ኣይጐዓዙን ነበሩ።</verse>
				<verse number="38">ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="3">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሓደ ኻባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ እንስሳኡ መስዋእቲ ኸቕርብ እንተሎ፥ ካብ ከፍቱ ወይ ካብ በጊዕ ወይ ካብ ጤል የቕርብ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ በብብልዕቱ ይቝረፆ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ በብብልዕቱ ዝተቘራረፀ ስጋ፥ ምስ ናይ ርእስን ስብሕን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዕዎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ።</verse>
				<verse number="11">ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ።</verse>
				<verse number="12">በብብልዕቱ ምስ ርእሱን ስብሑን ይቝረፆ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዓዮ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፥ ነቲ ርእሱ ጠውዩ ይቘልዕሞ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ፤ እቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይፅፈፍ።</verse>
				<verse number="16">ጭንጭራኡ ምስ ናይ ክንቲቱ ናብ ጐድኒ መሰውኢ ብወገን ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙዅሽቲ ይደርብዮ።</verse>
				<verse number="17">በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤</verse>
				<verse number="2">ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ድማ፥ ብልሑም ሕሩጭ ጌርካ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ወይ ከዓ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ቍርባንካ ኣብ ቝራዕ ዝበሰለ ቝርባን እኽሊ እንተ ኾይኑ፥ ብልሑም ሕሩጭን ብዘይትን ይገበር።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ኻብዝ ነገርዙይ ዝተገብረ ቝርባን እኽሊ ናብ እግዚኣብሄር ኣምፅኣዮ፤ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፤ ንሱ ኸዓ ናብ መሰውኢ የቕርቦ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ።</verse>
				<verse number="12">ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፤ ግና ኸም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይቃፀል።</verse>
				<verse number="13">ንዅሉ ናይ እኽሊ ቝርባንካ ብጨው ኣመቅሮ፤ ኣብቲ ናይ እኽሊ መስዋእትኻ፥ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይጕደል። ኣብ ኵሉ መስዋእትኻውን ጨው ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="14">ካብ በዅሪ ፍርያትካ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ እንተ ኣቕረብካ፥ ዝተጠብሰ ሸዊት ሓሲኻን በቊፅካን ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕሊኡ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ግበረሉ። እዙይ ቍርባን እኽሊ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የቃፅሎ፤ እዙይ ንእግዚኣብሄር ናይ ሓዊ ቝርባን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።</verse>
				<verse number="2">ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።</verse>
				<verse number="3">ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፤ ንናይ ውሽጢ ኣካላቱ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥</verse>
				<verse number="4">ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ። እዙይ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ።</verse>
				<verse number="7">መስዋእቱ ጡበት በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።</verse>
				<verse number="8">ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ እንስሳ ድማ ነቲ ስብሑ፥ ሕልሕሉ ብምሉኡ ኻብ ቀራፂቶ ፈልዩ፥ ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ዝኸድን ስብሕን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲአን ኵላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤</verse>
				<verse number="13">ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።</verse>
				<verse number="14">ካብቲ መስዋእቲ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርብ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="17">ስብሒን ደምን ኣይትብልዑ፤ እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦</verse>
				<verse number="3">እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ይሕረዶ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="8">ካብቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተሰውአ ዝራብዕ ኵሉ ስብሒ፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ስብሕን የልዕል።</verse>
				<verse number="9">ከምኡ ኸዓ ኽልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="11">ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዱን ፈርሱን፥</verse>
				<verse number="12">እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል።</verse>
				<verse number="13">ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥</verse>
				<verse number="14">እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፥ እታ ማሕበር ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፤ ናብ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ።</verse>
				<verse number="18">ካብቲ ደም ከዓ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="19">ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ኻብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="20">ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥</verse>
				<verse number="23">ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።</verse>
				<verse number="24">ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ጤል የንብር፤ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ኸዓ ይሕረዶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="26">ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሰብ፥ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱውን እንተ በደለ፥</verse>
				<verse number="28">ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ምእንቲ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ እትኸውን፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምፅእ።</verse>
				<verse number="29">ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዅሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="31">ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ካብ ኣባጊዑ እንተ ኣምፅአ ኸዓ፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ በጊዕ የቕርብ፤</verse>
				<verse number="33">ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ በጊዕ የንብር፤ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ምእንቲ ሓጢኣቱ ይሕረዳ።</verse>
				<verse number="34">እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዝተረፈ ደማ ኣብቲ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="35">ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር።</verse>
				<verse number="2">ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ሰብ ካብዝ ነገር እዙይ ብሓደ ነገር እንተ በደለ፥ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።</verse>
				<verse number="6">በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።</verse>
				<verse number="7">ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።</verse>
				<verse number="8">ናብ ካህን የምፅኣየን፤ ንሱ ኸዓ ቕድም ነታ ምእንቲ ሓጢኣት መስዋእቲ እትኸውን የቕርባ፤ ርእሳ እንተይቈረፀ፥ ክሳዳ ጠውዩ ይቖልዕማ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ፥ ጐድኒ መሰውኢ ይንፀግ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።</verse>
				<verse number="12">ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="15">ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።</verse>
				<verse number="16">በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለኛ እዩ እሞ፥ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ዝኾነ ሰብ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ንብፃዩ ብምጥፍፋእ ንእግዚኣብሄርውን እንተ በደለ፥ ብፃዩ ዘቐመጠሉ ሕድሪ ወይ ዘትሓዞ እንተ ጠለመ፥ ወይ እንተ ኸተረ ወይ እንተ ዓመፀ፥</verse>
				<verse number="3">ወይ ዝኾነ ዝጠፍአ ረኺቡ እንተሎ ኣሉ እንተበለ፥ ብሓሰት እውን እንተ መሓለ፥ ወይ ብዝኾነ ነገር፥ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በታ ሓንቲኳ እንተ በደለ፥</verse>
				<verse number="4">በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥</verse>
				<verse number="5">ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።</verse>
				<verse number="6">ክንዲ በደሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ከም ዝገመትካሉ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ኽንዲ በደሉ ዝኸውን መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ናብ ካህን የምፅእ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዅሉ በደል ብእኡ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="9">ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኻህን ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽን ብሃሪ ዝተኣልመ ስረን ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይልበስ። ነቲ ሓሙዅሽቲ ናይቲ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ዝቃፀል ናይ መስዋእቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊሱ፥ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="11">ደሓር ክዳውንቱ የውፅእ፤ ካልእ ኽዳውንቲ ድማ ይከደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኻብቲ ሰፈር ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ቦታ የውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ዅልሻዕ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። እቲ ኻህን ከዓ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንፀይቲ ይወስኸሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የቃፅል።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሓዊ ዅልሻዕ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን።</verse>
				<verse number="14">ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="17">ብዘይ መባዅዕቲ ይሰንከት። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ቝርባን ዝተውሃበ ግደኦም እዩ። ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="20">በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥</verse>
				<verse number="21">ብዘይቲ ለዊስካ ኣብ መቝሎ ሰንክቶ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ቝርባን እኽሊ ምእንቲ ክኸውን፥ ቈራሪስካ ኣቕርቦ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ክንዲ ኣቦኡ ተተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የቕርቦ። ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይቃፀል፤ እዙይ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ስርዓት ይኹን።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ እቲ ኻህን ዘቕርቦ ቝርባን እኽሊ ብምሉኡ ፈፂሙ ይቃፀል፤ ኣይበላዕውን።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="25">ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ ሕጊ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደላ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።</verse>
				<verse number="27">ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝነኽኦ ቅዱስ ይኸውን። ዝኾነ ልብሲ ደም እንተ ተነፀጎ፥ ነቲ ዅሉ ዝተነፀጎ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕፀቦ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዝበሰለሉ ቝራዕ ድማ ይሰበር፤ ኣብ ድስቲ ነሃስ እንተ በሰለ ኸዓ ይፈግፈግ፤ ብማይውን ይተሓፀብ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="30">ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዙይ እዩ፦ ንሱ ቅዱሰ ቕዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ስብሑ፥ ሕልሕሉን ቃንጡጡን፥</verse>
				<verse number="4">ክልቲአን ኵላሊት፥ ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንመስዋእቲ ይቕረብ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን።</verse>
				<verse number="11">ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="12">ንምስጋና ኢሉ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ልሑም ሕሩጭ ዝተለወሰ ዘይቲ ዝተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ንምስጋና ኢሉ ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ምስ ዝበዅዐ ሕብስቲ የቕርቦ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን።</verse>
				<verse number="15">ስጋ ናይቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና፥ በታ ዝተሰውአላ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ንፅባሒቱ ኣይሕደር።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ።</verse>
				<verse number="17">ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ስጋ ግና ብሓዊ ይቃፀል።</verse>
				<verse number="18">ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም።</verse>
				<verse number="19">ዝረኸሰ ነገር ዝነኽኦ ስጋ ኣይበላዕ፤ ብሓዊ ደኣ ይቃፀል። ንፁህ ዝኾነ ዅሉ ሰብ ግና ካብቲ ስጋ ይብላዕ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ረኺሱ እንተሎ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ዝበልዐ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="21">ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="23">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ስብሒ ብዕራይ ኮነ ስብሒ በጊዕ ወይ ስብሒ ጤል ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="24">ስብሒ ዝበኸተን ስብሒ ኣራዊት ዝቐተሎ እንስሳኹምን ንዝኾነ ስራሕ ኣውዕልዎ፤ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ስብሒ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ እንስሳ ዝበልዐ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ዅሉ እትነብርዎ ኸዓ ናይ ዒፍ ኮነ ናይ እንስሳ ደም ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="27">ዝኾነ ሰብ ደም እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="29">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሰብ፥ ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የምፅእ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ በእዳዉ የምፅኣዮ። እቲ ሓኸለ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብስ፥ ነቲ ስብሑን ሓኸለኡን የምፅአዮ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እቲ ሓኸለ ግና ብፅሒት ኣሮንን ደቁን እዩ።</verse>
				<verse number="32">ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእትኹም ብፅሒቱ ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን የማነይቲ እግሪ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="33">የማነይቲ እግሪ፥ ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደምን ስብሕን ናይቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዘቕርብ ግደ ይኹን።</verse>
				<verse number="34">ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ነቲ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ ሓኸለን ናባይ ዝቐርብ እግርን ወሲደ ንኣሮንን ንደቁን ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="35">እዙይ በታ ንእግዚኣብሄር ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ዝቐረቡላ መዓልቲ፥ ደቂ እስራኤል ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ግደ ኣሮንን ደቁን እዩ።</verse>
				<verse number="36">በታ ዝተቐብኡላ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል እዝ ብፅሒት እዙይ ክህብዎም ኣዘዘ። እዙይ ከዓ ንውሉድ ወለዶ ዝነብር ስርዓት ዘለኣለም እዩ።</verse>
				<verse number="37">እምበኣር ሕጊ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን፥ ሕጊ መስዋእቲ እኽልን፥ ሕጊ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምስጋናን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="38">እዝ ሕጊ እዙይ፥ በታ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኸቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝኣዘዞ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">“ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ውሰዶም። ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ እቶም ክልተ ማጓሉን፥ እቲ ቕጫ ዝሓዘ መሶብን ድማ ተማላእ፤</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብኡ ኣክቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ኵሉ እቲ ማሕበር ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተኣከበ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ ብማይ ሓፀቦም።</verse>
				<verse number="7">ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ኸደኖ፤ ቅናት እውን ኣቐነቶ፤ ካባ ደሪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ቕናት ኤፉድ ድማ ኣቐነቶሞ፥</verse>
				<verse number="8">ኣብ ልዕሊኡውን የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ገበረሉ፤ ናብቲ የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝግለፀሎም ኡሪምን ቱሚምን ዝበሃሉ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ርእሱ ኸዓ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ድማ ብወገን ቅድሚት፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ገይፂ፥ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ።</verse>
				<verse number="10">ሙሴ ድማ መቕብኢ ዘይቲ ወሲዱ ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉን ቀቢኡ ቐደሶ።</verse>
				<verse number="11">ካብቲ ዘይቲ ወሲዱ ኸዓ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሸውዓተ ሻዕ ነፀገ፤ ምእንቲ ኽቕድሶውን ንመሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ሸሓነ ምስ ናይ ኣጋሮኡን ቀብኦ።</verse>
				<verse number="12">ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፤ ምእንቲ ኽቕድሶ ኸዓ ቐብኦ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም።</verse>
				<verse number="14">ሙሴ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣቕረቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ድማ፥ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በፃብዑ ቐብኦ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣንፅሆ። ነቲ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። ከስተስርየሉ ድማ ኣንፅሆን ቀደሶን።</verse>
				<verse number="16">ንዅሉ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝነበረ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊትን ምስ ስብሑን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ዝራብዕ ግና ምስ ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="18">ሙሴ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="19">ሓሪዱ ድማ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ማጕላ ድማ በብኽፍሉ ቘራረፆ፤ ነቲ ርእስን ነቲ ዝተቘራረፀ ስጋን ነቲ ስብሕን ከዓ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ንቕድስና ዝኸውን ካልእ ማጕላ ኣቕረበ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፥ ንኣሮን፥ ኣብ መስቈር የማነይቲ እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ።</verse>
				<verse number="24">ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ካብቲ ደም ወሲዱ ኣብ መስቈር የማናይ ኣእዛኖምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእዳዎምን፥ ኣብ ዓባይ ዓባይቶ የማናይ ኣእጋሮምን ለኸዮም። ነቲ ደም ከዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ስብሕን ሕልሕልን ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ቓንጡጥን፥ ስብሒ ኸብድን፥ ክልቲአን ኵላሊት ምስ ስብሐንን የማነይቲ እግርን ወሰደ።</verse>
				<verse number="26">ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዅዐ ቕጫ ዝሓዘ መሶብ ድማ፥ ሓደ ቕጫን ሓደ ብዘይቲ ዝተሰንከተ ሕብስትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="27">ነዝ ዅሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ ድማ ኻብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ እዙይ ብፅሒት ሙሴ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ሙሴ ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁን ነፀገ። ንኣሮንን ንኣልባሱን ንደቁን ነልባሳት ደቁን ከዓ ኸምዙይ ገይሩ ቐደሰ።</verse>
				<verse number="31">ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን “ከምቲ እግዚኣብሄር ነቲ ስጋ፥ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ኢሉ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ፥ በቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝቐርብ መሶብ ዘሎ ሕብስቲ ጌርኩም ኣብኡ ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="32">ነቲ ኻብ ስጋን ሕብስትን ዝተረፈ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፅልዎ።</verse>
				<verse number="33">ምቕባል ክህነትኩም ንሸውዓተ መዓልቲ ኽፀንሕ እዩ እሞ፥ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ።</verse>
				<verse number="34">እዝ ሎሚ ዝተገብረ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ እግዚኣብሄር ግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ እዩ።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="36">ኣሮንን ደቁን ድማ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ገበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብሻምነይቲ መዓልቲ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዖም።</verse>
				<verse number="2">ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም።</verse>
				<verse number="3">ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="4">ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።”</verse>
				<verse number="5">እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኡ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ድማ ንኣሮን “ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትኻን ዝቃፀል መስዋእትኻን ሰውእ፤ ንርእስኻን ነቲ ህዝብንውን ስርየት ኣስተስሪ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ናይ ህዝቢ ቝርባን ኣቕርብ። ሓጢኣቶምውን ኣስተስርየሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ።</verse>
				<verse number="9">ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="10">ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="11">ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን በብኽፍሉ ቘራሪፆም ምስ ርእሱ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="14">ንውሽጣዊ ኣካላት ከብድን ነእጋርን ሓፂቡ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኣሮን ነቲ ህዝቢ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነቲ ጤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ሓረዶ። ከምቲ ቐዳማይ ከዓ ምእንቲ ሓጢኣት ሰውኦ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኸምቲ ዝተሓገገ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።</verse>
				<verse number="17">ክንዲ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ፥ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፤ ካብኡ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ድማ ምእንቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓረዶም። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ዙርያኡ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="19">ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ማጕላ ሕልሕልን ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኵላሊትን፥ ስብሒ ኸብድን ወሲዶም፥</verse>
				<verse number="20">ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፤ ኣሮን ከዓ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="21">ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ።</verse>
				<verse number="22">ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቶም ህዝቢ ዘርጊሑ ባረኾም። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውአ ድማ ወረደ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም።</verse>
				<verse number="24">ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ወፂኡ ድማ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሞቱ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልፃፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል፥ ሓወቦኡ ንኣሮን፥ ፀዊዑ “ንዑ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ውሰድዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ናይ እግዚኣብሄር መቕብኢ ዘይቲ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፥ ከይትሞቱስ ካብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ” በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸዓ ገበሩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="9">“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="12">ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ “ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ወሲድኩም ቅጫ ግበርዎ፤ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="13">እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="14">ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ ሓኸለን እግርን ግቡእኻን ግቡእ ደቅኻን ኮይኑ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንፁህ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="15">ምስ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከዓ ነቲ ዝቐርብ እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብ የምፅእዎ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ዝነብር ግቡእ ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ሙሴ ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጤል ደለዮ፤ ተቓፂሉ ምስ ረኸቦ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፥ ኣልኣዛርን ኢታምርን ተቘጢዑ፥</verse>
				<verse number="17">“ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኹምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ፤ በደል ህዝቢ እስራኤል ፆይርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቶም ክተስተስርዩሎም ኣምላኽ ሂቡኩም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተኹምዎን፤ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፥ ኣብ መቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ ምተገብአኩም ነይሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="20">ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="3">ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ።</verse>
				<verse number="4">ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="5">ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="6">ማንቲለ ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="7">ሓሰማ ሸዀናኣ ስንጡቕ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="8">እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ።</verse>
				<verse number="9">ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ።</verse>
				<verse number="10">ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።</verse>
				<verse number="11">ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ።</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።</verse>
				<verse number="13">ካብ ኣዕዋፍ ድማ ፍንፉናት ዝኾና ዘይብልዓ፥ እትፍንፍንወን እዚኣተን እየን፦ ንስሪ፥ ገድገደ፥ ወሓጥ ዓሳ፥</verse>
				<verse number="14">ሽላ፥ ሊሎ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="16">ሰገን፥ ጕጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ።</verse>
				<verse number="17">ንእሽተይ ጕጓ፥ ሓሓት፥ ዓባይ ጕጓ፥</verse>
				<verse number="18">ቀራን ጕጓ፥ ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥</verse>
				<verse number="19">ራዛ፥ ሰብ ፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምብሃረጆ፥ ምንኪዕ።</verse>
				<verse number="20">በራሪ ዘይኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ ኵሉ ለመም ዝብል ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ግና ኻብ ዝበርር ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዅሉ ለመም ዝብል ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነጥረለን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ።</verse>
				<verse number="22">ካብኣቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን ኣንበጣ በብዓይነቱን ኵብኩብታ በብዓይነቱን ጎደባ በብዓይነቱን።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዝንቀሳቐስ፥ ኵሉ ኻልእ ነፋሪ ለመም ዝብል ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።</verse>
				<verse number="24">እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="25">ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="26">ኵሉ እንስሳ ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈፂሙ ዘይተሰንጠቐን ዘየመዅስዕን፥ ንኣኻትኩም ዝረኸሰ ይኹን፤ ኵሉ ዝነኽኦውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="27">በርባዕተ መሓውር ካብ ዝኸዱ ዅሎም እንስሳ፥ ብግናዕ ኢዶም ዝኸዱውን፥ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኵሉ ገምቦም ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="28">ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።</verse>
				<verse number="29">ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ፤ ፍሒራ፥ ኣንጭዋ፥ ሓማት-ተመን፥ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="30">ጠበቕ፥ ጭንቝራዕ፥ ጐብየ፥ ምጭልቚት፥ ነፋሒቶ።</verse>
				<verse number="31">ካብ ኵሉ ለመም ዝብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ። ምስ ሞቱ፥ ዝነኽኦም ኵሉ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="32">ካብዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ፥ ዝኾነ ዝስርሖ ኣቕሓ፥ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኾነ፥ ወይ ክዳን፥ ወይ ጕኖ፥ ወይ ከረጢት፥ ረኺሱ እዩ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ድማ ይነፅህ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት፥ ካብዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዅሉ ዝረኸሰ ይኹን፤ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ዝኾነ ዝብላዕ ኻብቲ ዝረኸሰ ኣቕሓ መሬት ማይ እንተ ፈሰሶ፥ እቲ ምግቢ ርኹስ እዩ። በዝ ከምዙይ ዝበለ ኣቕሓ ዝስተ ዅሉ መስተ እውን ርኹስ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ዅሉ ነገር ዝረኸሰ እዩ፤ ኣብ እቶን ወይ ኣብ ምድጃ እንተ ወዲቑ ድማ እቲ እቶን ኮነ እቲ ምድጃ ይፍረስ።</verse>
				<verse number="36">ነቲ ገምቢ ዝነኽአ ዅሉ ይረክስ፤ ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዝዓቘሮ ሓፅቢ ግና ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="37">ካብ ገምቦም ሓደ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸዓ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ፈሰሶ እሞ ኻብቲ ገምቦም እንተ ወደቖ ግና ንኣኻትኩም ዝረኸሰ እዩ።</verse>
				<verse number="39">ካብቶም ንመብልዕ ዝኾኑኹም እንስሳ እንተ በኸተ፥ እቲ ነቲ ገምቡ ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="40">ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎ እውን ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="41">ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ከዓ ፍንፉን እዩ፤ ስለዙይ ኣይበላዕ።</verse>
				<verse number="42">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታ፥ ብኸብዱ ዝኸይድ ኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ፥ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዅሉ፥ ፍንፉን እዩ እሞ፥ ኣይትብልዕዎ።</verse>
				<verse number="43">በቶም ለመም ዝብሉ ዅሎም ንሰብነትኩም ኣይተርክሱ፤ ብኣኣቶም ከይትረኽሱ ርእስኹም ኣይተርክሱ።</verse>
				<verse number="44">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝወሳወስ ኵሉ ለመም ዝብል ሰብነትኩም ኣይተርክሱ።</verse>
				<verse number="45">ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።</verse>
				<verse number="46">ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ኣብ መንጎ ዝብላዕን ዘይብላዕን ፍጡር ፈሊኹም ምእንቲ ኽትፈልጡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዝወሳወስ ህይወት ዘለዎ ዅሉ እንስሳን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ እንስሳን፥ ዘሎ ሕጊ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="47"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፥ ወዲ ኸዓ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ናይ ወርሒ ፅገኣ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰት ትኸውን።</verse>
				<verse number="3">ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="5">ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ።</verse>
				<verse number="6">ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ሓጢኣታ ድማ የስተስርየላ፤ ንሳ እውን ካብ ምፍሳስ ደማ ኽትነፅህ እያ። እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት ሰበይቲ እትነፅሀሉ ስርዓት እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">ሰብ ኣብ ቈርበቱ ሕበጥ ወይ ሽሕር ወይ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሕማም ለምፂ ከዓ እንተ ኾነ፥ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ቝስሊ ይመርምሮ፤ ኣብቲ ቝስሊ ዘላ ፀጕሪ ፃዕድያ እንተ ፀንሐት፥ እቲ ቝስሊ ኸዓ ኻብ ቈርበቱ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ዙዕታ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበቱ ኸዓ ዓሚቑ እንተ ዘይተርኣየ፥ ፀጕሩ እውን እንተ ዘይፃዕደወ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝሱል ሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ድማ እቲ ቝስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተ ፀንሐ፥ ኣብቲ ቘርበቱውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ኻህን መሊሱ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን መሊሱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሊ እንተ ፋሕሸወ፥ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ቝስሊ ሽሕር እዩ እሞ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ቝሱል ከዓ ኽዳውንቱ ሓፂቡ ይንፃህ።</verse>
				<verse number="7">ግና እቲ ኻህን “ንፁህ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ እቲ ሽሕር ኣብ ቈርበቱ እንተ ሰፍሐ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ካህን ይመርመር።</verse>
				<verse number="8">እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="9">ሕማም ለምፂ ቘርበት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናብ ካህን የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥</verse>
				<verse number="11">ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሕማም ለምፂ እናሰፍሐ እንተ ኸደ፥ ነቲ ቝሱል እቲ ኻህን ክሪኦ ኽሳዕ ዝኽእል ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፥</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ንብዘሎ ሰብነቱ ሕማም ቈርበት እንተ ኸደኖ፥ ሽዑ እቲ ቝሱል ከም ዝነፅሀ እቲ ኻህን ይንገር። ኵሉ ሰብነቱ ፃዕድዩ እዩ እሞ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="14">በታ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ ዝተርኣየላ መዓልቲ ግና ረኺሱ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኻህን ቈርበቱ ቐይሕ ስጋ ምምሳሉ ምስ ረአየ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር። እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ እንተ መሲሉ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ፤ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ ዝመስል ዝነበረ ናብ ፃዕዳ እንተ ተለወጠ ግና፥ ናብ ካህን ይምፃእ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሉ እንተ ፃዕደወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን፥ እቲ ቝሱል ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቈርበቱ ዝሓወየ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ እንተ ሃልዩ፥</verse>
				<verse number="19">ኣብቲ በሰላ ኸዓ ፃዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ፃዕዳ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሽዑ ናብ ካህን ይቕረብ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ኻብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ፀጕሩ ኸዓ ፃዕድዩ እንተ ፀንሐ፥ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፤ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኻህን እንተ መርመሮ እሞ፥ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘይሃልያ እቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ ድማ እንተ ፋሕሸወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="22">ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፍሐ ድማ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="23">እቲ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተይሰፍሐ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ ግና፥ ንሱ በሰላ ቝስሊ እዩ፤ ንፁህ ምዃኑ ኸዓ እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="24">ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተ ሃልይዎ እሞ ኣብቲ ቘርበቱ ዝተልሓሰ ንዳድ ሓዊ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ወይ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥</verse>
				<verse number="25">እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ዘሎ ፀጕሪ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበት ከዓ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ። ዝረኸሰ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር፤ እዙይ ሕማም ለምፂ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ግና እቲ ኻህን እንተ መርመሮ፥ ኣብቲ ብሩህ ዙዕታ ድማ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘየለ፥ እቲ ቘርበት ከዓ እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ እውን እንተ ፋሕሸወ፥ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="27">ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ይመርምሮ፤ ኣብ ቈርበቱ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="28">እቲ ብሩህ ዙዕታ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ፥ ኣብ ቈርበት እውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ ወይ ድማ እንተ ፋሕሽዩ ግና፥ እዙይ ብሓዊ ነዲዱ ዝሓበጠ እዩ። በሰላ ሓዊ ስለ ዝኾነ ኸዓ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር።</verse>
				<verse number="29">ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ፥ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ መንከሱ ቝስሊ እንተ ወፆ፥</verse>
				<verse number="30">እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ቀጢንን ብጫን ፀጕሪ ድማ እንተ ሃልይዎ፥ ንሱ ዕንፍሩር እዩ፤ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ መንከስ ዝወፅእ ተላጋቢ ሕማም እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="31">እቲ ኻህን ነዝ ቝስሊ እዙይ ምስ መርመሮ እሞ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ ፀሊም ፀጕሪ ድማ እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይሰፊሑ፥ ብጫ ፀጕሪ እውን እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ከዓ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥</verse>
				<verse number="33">እቲ ሰብ ይላፀ፤ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ሰብነቱ ግና ኣይላፅዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይመርምሮ፤ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይሰፊሑ፥ ካብቲ ቘርበት እውን ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ እሞ ይንፃህ።</verse>
				<verse number="35">ግና እቲ ኻህን “ነፂሁ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፊሑ፥</verse>
				<verse number="36">እቲ ኻህን ይመርምሮ። እንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ሰፊሑ፥ እቲ ኻህን ብጫ ፀጕሪ እንተ ሃልዩዎ ኢሉ ኣይድለ፤ ንሱ ቐደሙውን ዝረኸሰ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="37">እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቖይሙ፥ ኣብኡ እውን ፀሊም ፀጕሪ በቝሉ እንተ ረአየ ግና፥ ሓውዩ እዩ፤ ንሱ ንፁህ እዩ፤ እቲ ኻህን ድማ ንፁህ ምዃኑ ይንገር።</verse>
				<verse number="38">ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥</verse>
				<verse number="39">እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ፃዕዳ እንተ ኾይኑ፥ እዙይ ኣብ ቈርበት ዝወፀ ተውሳስ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="40">ሰብ ፀጕሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፥ ናይ ምንኳዕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="41">ርእሱ ብወገን ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፥ ምብራሕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="42">ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ቝስሊ እንተ ወፆ፥ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ።</verse>
				<verse number="43">እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቍስሊ፥ ከምቲ ናይ ሕማም ለምፂ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ኾይኑ እንተ ተርእይዎ፥</verse>
				<verse number="44">እቲ ሰብ ሕሙም ስለ ዝኾነ ረኺሱ እዩ። ኣብ ርእሱ ቝስሊ ስለ ዘለዎ ኸዓ እቲ ኻህን ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገረሉ።</verse>
				<verse number="45">እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር።</verse>
				<verse number="46">ሕማም ለምፂ ክሳዕ ዘለዎ ዝረኸሰ ይኹን፤ ረኺሱ እዩ እሞ ንበይኑ ይቀመጥ፤ መንበሪኡ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ይኹን።</verse>
				<verse number="47">ኣብ ክዳን ድማ፥ ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ ሃሪ ወይ ናይ ፀጕሪ፥ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቈርበት ዝተሰርሐ ነገር፥ ሕማም ለምፂ እንተ ሃልይዎ፥</verse>
				<verse number="48"></verse>
				<verse number="49">እቲ ሕማም ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት፥ ቍፅል ወይ ቅይሕ እንተበለ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ኣብ ካህን ይረአ።</verse>
				<verse number="50">እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ሕማም ይመርምሮ፤ ነቲ ሕማም ዘለዎ ሰብ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="51">በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ሕማም ይመርምሮ። እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፥ ንዝኾነ ስራሕ ካብ ቈርበት ኣብ ዝተሰርሐ ነገር እንተ ሰፍሐ፥ በላዒ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ።</verse>
				<verse number="52">እቲ ሕማም ዘለዎ ዝኾነ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ፥ ናይ ፀጕሪ እንተ ኾነ ወይ ናይ ሃሪ ወይ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት በላዒ ሕማም እዩ እሞ ብሓዊ ይቃፀል።</verse>
				<verse number="53">ግና እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ዘይተርእዩ፥</verse>
				<verse number="54">ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ክሓፅብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፤ መሊሱ ድማ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።</verse>
				<verse number="55">እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ምስተሓፅበ ድማ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ሕብሩ እንተ ዘይለዊጡ፥ እንተ ዘይሰፍሐ እኳ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ። እቲ ሕማም ብውሽጢ ይኹን ብደገ እንተ ሃልዩ እቲ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="56">እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝሓመመ ነገር ድሕሪ ምሕፃቡ እንተ ፋሕሺዩ፥ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት፥ ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ።</verse>
				<verse number="57">ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተርእዩ፥ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ እሞ ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="58">እቲ ንስኻ እትሓፅቦ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝኾነ ቘርበት፥ ሕማሙ እንተ ኸደሉ፥ ክልተሻዕ ይተሓፀብ፤ ንፁህ ድማ ይኸውን።</verse>
				<verse number="59">ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ወይ ኣብ ቅጥኒ፥ ወይ ኣብ ፋእሚ፥ ወይ ኣብ ዝኾነ ብቘርበት ዝተሰርሐ ኣቕሓ፥ ዘሎ ሕማም ለምፂ፥ ንፁህ ምዃኑ ወይ ዝረኸሰ ምዃኑ ንምንጋር ዘኽእለካ ሕጊ እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ብመዓልቲ ምንፃህ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝፍፅሞ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ናብ ካህን የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻህን ከዓ ናብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕሙም ካብ ሕማም ለምፂ ሓውዩ እንተ ፀንሐ፥</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ።</verse>
				<verse number="5">ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ።</verse>
				<verse number="6">ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዘንፅህ ካህን ድማ ነቲ ዝነፅህ ሰብን ነቲ ንመስዋእቲ ዘምፅኦን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦም።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ምስቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ኽንዲ በደል ይሰውኣዮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኸዓ የወፍዮ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ይውሰድ፤ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ከዓ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።</verse>
				<verse number="15">ካብቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ድማ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="16">የማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘፍሰሶ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ኻብቲ ዘይቲ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንፀግ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተለኽዮ ድማ፥ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኣብ ግናዕ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኸዓ፥ ናብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ ይግበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ የስተስርየሉ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቲ ኻህን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የቕርብ እሞ፥ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዝነፅህ የስተስርየሉ። ብድሕሪኡ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሕረድ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኻህን ዝቃፀል መስዋእትን ናይ እኽሊ ቝርባንን ብሓደ ገይሩ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርቦ። ነቲ ዝነፅህ ሰብ የስተስርየሉ፤ ንሱውን ንፁህ ይኸውን።</verse>
				<verse number="21">እቲ ዝነፅህ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኢዱውን ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዘ ዝውፍዮ፥ ክንዲ በደል ዝስዋእ ሓደ ጡበት በጊዕ የምፅእ። ንቝርባን እኽሊ ዝኸውን ከዓ ሓደ ኺሎ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።</verse>
				<verse number="22">ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ።</verse>
				<verse number="23">በታ ምንፃሁ ዝፍፀመላ ሻምነይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን ይውሰድ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የወፍዮ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ከዓ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ወሲዱ፥ ነቲ ዝነፅህ ሰብ የማነይቲ መስቘር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስስ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተቐብአ ቦታ፥ እቲ ኻህን ነቲ ዝነፅህ ሰብ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ኻህን ነቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸስተስርየሉ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ የፍስሶ።</verse>
				<verse number="30">ከም ዓቕሙ ኸዓ ሓንቲ ኻብ ባሪቶ፥ ወይ ሓንቲ ኻብ ርግቢ ይሰውእ።</verse>
				<verse number="31">ምስቲ መስዋእቲ እኽሊ፥ ከም ዓቕሙ፥ ሓንቲ ኽንዲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ይሰውእ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ዝነፅህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።</verse>
				<verse number="32">ብዛዕባ እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ እሞ ንምንፃሁ ዘድሊ ስሩዕ መስዋእቲ ኸቕርብ ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ፥ ሕጉ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="34">ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም እሞ ኣብታ ዝወረስኩምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ገዛ ሕማም ለምፂ እንተ ሰደድኩ፥</verse>
				<verse number="35">ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ናብቲ ኻህን መፂኡ “ኣብ ገዛይ ከም ሕማም ለምፂ ዝመስል ሪአ” ኢሉ ይንገሮ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ምልክት ሕማም ክርኢ ምስ መፀ፥ ገና ናብታ ገዛ እንተይኣተወ፥ ኣብ ገዛ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ምእንቲ ኸይረክስ፥ ነታ ገዛ ጥራሓ ኽገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዙይ ነታ ገዛ ኽምርምራ ይእቶ።</verse>
				<verse number="37">ነቲ ምልክት ሕማም ድማ ይመርምሮ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ምልክት ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ቝፅል ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጕድጕድ ኢሉን፥ ካብቲ መንደቕ ዓሚቑን እንተ ተርኣየ፥</verse>
				<verse number="38">ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ገዛ ናብ ኣፍ ደገ ይውፃእ፤ ነታ ገዛ ኸዓ ንሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዋ።</verse>
				<verse number="39">በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ድማ ይመርምራ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥</verse>
				<verse number="40">እቲ ኻህን ምልክት ሕማም ለምፂ ዘለዎም ኣእማን ኣውፂኦም ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ኽድርብይዎም ይኣዝዝ።</verse>
				<verse number="41">እታ ገዛ ድማ ውሽጣ ብምልእታ ትተሓኸኽ፤ እቲ ሕካኽ መሬት ከዓ ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጐሓፍ።</verse>
				<verse number="42">ክንዲ እቲ ዘውፅእዎ ኣእማን ድማ ኻልእ ኣእማን ወሲዶም ይተክእዎ። ካልእ መሬት ወሲዶም ከዓ ነታ ገዛ ይለቕልቕዋ።</verse>
				<verse number="43">ነቲ ኣእማን ምስ ኣውፅእዎ፥ እታ ገዛ ድማ ምስ ተሓኸኸትን ምስ ተለቕለቐትን፥ እቲ ምልክት ሕማም መሊሱ እንተ ተርእዩ፥</verse>
				<verse number="44">እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ኣብታ ገዛ ዝባላዕ ለምፂ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="45">ነታ ገዛ ድማ እምናን ዕንፀይታን፥ ኵሉ ሓመዳን ኣፍሪሶም፥ ናብ ወፃኢ ኸተማ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጕሓፍዎ።</verse>
				<verse number="46">በተን እታ ገዛ እትዕፀወለን ኵለን መዓልቲታት ዝኣተዋ ሰብ ድማ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="47">ኣብታ ገዛ ዝደቀሰ ወይ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ።</verse>
				<verse number="48">እቲ ኻህን ክምርምር እንተ ኣተወ፥ እንሆ ኸዓ፥ እታ ገዛ ምስ ተለቕለቐት፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ኸም ብሓድሽ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሕማም ሓውዩ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ንፅህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር።</verse>
				<verse number="49">እታ ገዛ እትነፅሀሉ ድማ ኽልተ ዒፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፤</verse>
				<verse number="50">ነታ ሓንቲ ዒፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት፥ ገይሩ ይሕረዳ።</verse>
				<verse number="51">ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ወሲዱ፥ ኣብ ደም እታ ዝተሓርደት ዒፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ገዛ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገላ።</verse>
				<verse number="52">ነታ ገዛ እውን ብደም እታ ዒፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ብዕንፀይቲ ፅሕድን ብስምዕዛን ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን ገይሩ የንፅሃያ።</verse>
				<verse number="53">ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ናብ ወፃኢ ኸተማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። ነታ ገዛ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ንፅህቲ ትኸውን።</verse>
				<verse number="54">ንዅሉ ዓይነት ሕማም ለምፅን ንዕንፍሩርን፥</verse>
				<verse number="55">ኣብ ክዳን ኮነ ኣብ ገዛ ንዝወፅእ ሕማም ለምፅን፥</verse>
				<verse number="56">ንሕበጥን ንሽሕርን ንፃዕዳ ብሩህ ብሮት፥ ዝምልከት ሕጊ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="57">ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነፅሀላ መዓልትን ዘፍልጥ ሕጊ ሕማም ለምፂ እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ሓደ ሰብ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር እንተ ፈሰሶ ረኺሱ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ዝተቐመጦ ዝኾነ ኾረቻ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ትሕቲ ኮፍ ዝበለሉ ንዝነበረ ዅሉ ነገር ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዙይ ዘልዓለ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሰብኣይ ኢዱ እንተይተሓፅበ ዝነኽኦ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ዝነኽኦ ሻኽላ ይሰበር፤ ኵሉ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኸዓ ብማይ ይተሓፀብ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ዝፈስሶ ዝነበረ ምስ ሓደጎ ድማ እቲ ሰብኣይ ሸውዓተ መዓልቲ ይፀበ፤ ክዳውንቱ ኸዓ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓፀብ፤ ንፁህውን ይኸውን።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።</verse>
				<verse number="16">ሰብኣይ፥ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ ዅሉ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="17">እቲ ዘርኢ ዝነኽኦ ኽዳውንትን ማእስን ኵሉ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="18">ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።</verse>
				<verse number="19">ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ፥ ደም ካብ ሰብነታ እንተ ፈሰሰ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ እያ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="20">ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኮፍ ዝበለቶውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="21">ኵሉ መደቀሲኣ ዝነክአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="22">ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዅሉ ዝነኽአ ሰብ ድማ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="23">ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት ኣቕሓ ዝነክአ ሰብ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="24">ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ደም ፅገኣ እንተ ነኽኦ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኵሉ ንሱ ዝድቅሰሉ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="25">ሰበይቲ፥ በቲ ጊዜ ፅገኣ ዘይኮነ፥ ነዊሕ መዓልቲ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ወይ ሕልፊ ኻብቲ ጊዜ ፅገኣ እንተ ፈሰሳ፥ ምፍሳስ ወርሓዊ ፅገኣ ኽሳዕ ዘሎ፥ ከምቲ ብመዓልቲታት ፅገኣ ትኹን፤ ርኽስቲ እያ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ ዘሎ፥ ኵሉ መዓልቲታት ዝኾነ እትድቅሰሉ ዅሉ መደቀሲ ኸዓ ኸምቲ ብእዋን ፅገኣ እትድቅሰሉ መደቀሲ ዝረኸሰ ይኸውን። ኮፍ እትብሎ ዅሉውን ከምቲ ርኽሰት ፅገኣ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="27">ኵሉ ነዙይ ዝነኽኦ ኸዓ ርኹስ እዩ፤ ክዳውንቱ ድማ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="28">ካብ ምፍሳስ ደማ እንተ ፀርያ ግና ንሸውዓተ መዓልቲ ትፅናሕ፤ ድሕሪኡ ንፅህቲ ትኸውን።</verse>
				<verse number="29">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ርኽሰታ ምእንቲ ኽትነፅህ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየላ።</verse>
				<verse number="31">ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም።</verse>
				<verse number="32">ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብን፥ ናይቲ ዘርኡ ዝፈሰሶ እሞ፥ ብእኡ ዝረኸሰን፥ ብዛዕባ እታ ወርሓዊ ፅገ ዝኾነት ሰበይትን፥ ብዛዕባ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ደቂሱ ዘርኢ እንተ ፈሰሶን፥ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይን ዝተሰርዐ ሕጊ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="33"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ድሕሪ ሞት እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፥ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ።</verse>
				<verse number="3">ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ናይ ሃሪ ቅዱስ ቀሚሽ ይልበስ፤ ናይ ሃሪ ስረ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ይዕጠቕ፤ ናይ ሃሪ ቕናት ድማ ይተዓጠቕ፤ ናይ ሃሪ መጠምጠምያ እውን ኣብ ርእሱ ይጠምጥም። እዙይ ቅዱስ ኣልባስ እዩ እሞ ሰብነቱ ብማይ ተሓፂቡ ይልበሶ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ።</verse>
				<verse number="6">ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ክልተ ዲበላታት ወሲዱውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብሎም።</verse>
				<verse number="8">ኣሮን ድማ ሓደ ዕፃ ንእግዚኣብሄር፥ ሓደ ዕፃ ኸዓ ንዝልቀቕ ክኸውን ነቶም ክልተ ዲበላታት ዕፃ የውድቐሎም።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።</verse>
				<verse number="11">ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ።</verse>
				<verse number="12">ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።</verse>
				<verse number="13">ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፥ ናብቲ ሓጢኣት ዘስትስረየሉ መኽደን ብወገን ምብራቑ በፃብዕቱ ይንፀግ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጢኣት ዝስትስረየሉ መኽደን እውን ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ በፃብዕቱ ይንፀግ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ዝስዋእ ዲበላ ድማ ይሕረዶ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። በቲ ደሙ እውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ይንፀጎ።</verse>
				<verse number="16">ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፥ ካብ ርኽሰቶምን ካብ በደሎምን ዝተልዓለ ነቲ መቕደስ የስተስርየሉ፤ ነቲ ምስኣቶም ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዘሎ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኸምኡ ይግበረሉ።</verse>
				<verse number="17">ኣሮን ንምስትስራይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ፥ ንባዕሉን ንስድራኡን ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ኣስተስርዩ ኻብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ሓደ ሰብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="18">ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወፂኡ ንእኡ የንፅሃዮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ዲበላን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበረሉ።</verse>
				<verse number="19">ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንፀግ፤ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንፅሃዮን ይቐድሶን።</verse>
				<verse number="20">ንመቕደስን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ንመሰውእን ኣንፂሁ ምስ ወድአ ኸዓ፥ ነቲ ብህይወቱ ዘሎ ዲበላ የቕርቦ።</verse>
				<verse number="21">ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብህይወት ዘሎ ዲበላ የንብር እሞ፥ ንዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ንዅሉ በደሎምን ንዅሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዲበላ ከዓ የፁሮ፤ በቲ ነዙይ ዝተመደበ ኢድ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይውሰዶ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዲበላ ከዓ ንዅሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ፆይሩ ናብ ፅምዊ ቦታ ይኺድ፤ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይልቀቆ።</verse>
				<verse number="23">ኣሮን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእቶ፤ ነቲ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ ለቢስዎ ዝነበረ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኣልባስ እውን የውፅኣዮ፤ ኣብኡ ኸዓ ይሕደጎ።</verse>
				<verse number="24">ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ ድማ፥ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ናይ ቅድም ክዳውንቱ ኸዓ ይከደን። ወፂኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፤ ንባዕሉን ንህዝብን ከዓ የስተስሪ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ንምልቃቕ ዝኸውን ዲበላ ዝወሰደ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።</verse>
				<verse number="27">ነቶም ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውኡ ዝራብዕን ዲበላን፥ ደሞም ንስርየት ሓጢኣት ናብ መቕደስ ዝኣተወ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዎም፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከዓ ብሓዊ የቃፅልዎ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።</verse>
				<verse number="29">እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ ንፁሃት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ናይ ሓጢኣት መስተስረዪ ኽግበረልኩም እዩሞ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነፅሁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">እዛ መዓልቲ ንኣኻትኩም ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ ርእስኹም ኣዋርዱ፤ እዙይ ንሓዋሩ ዝነብር ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ሰብ፥ ስርየት ሓጢኣት ዘስተስሪ ይኹን። ብሃሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ እሞ፥</verse>
				<verse number="33">ነቲ ቕድስተ ቅዱሳንን፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ መሰውእን የንፅሃዮ፤ ንኻህናትን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ የስተስርየሎም።</verse>
				<verse number="34">እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ፤ ደቂ እስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ዝነፅሁሉ ስርዓት፥ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይገበር። ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ፥ ወይ ጡበት በጊዕ ወይ ጤል ኣብ ሰፈር፥ ወይ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ንመስዋእቲ ኢሉ እንተ ሓረደ፥</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ በረኻ ኽስውእዎ ዝሓርድዎ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእዎ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን የቃፅሎ።</verse>
				<verse number="7">ደጊም ደቂ እስራኤል ነቶም ከምልኽዎም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሕሩድ መስዋእቲ ኣይሰውኡ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።</verse>
				<verse number="8">ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፥</verse>
				<verse number="9">ንእግዚኣብሄር ክስውኦ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="10">ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="11">ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ደም ኣይብላዕ፤ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና እውን ደም ኣይብላዕ በልኩ።</verse>
				<verse number="13">ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዝነብሩ ጓኖት ዝብላዕ እንስሳ ወይ ዒፍ ሃዲኑ እንተ ሓዘ፥ ነቲ ደም የፍስሶ፤ ሓመድ ድማ ይድፈኖ።</verse>
				<verse number="14">ናይ ኵሉ ስጋ ህይወትን ደሙን ሓደ እዩሞ፥ ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ በልክዎም። ናይ ኵሉ ስጋ ህይወት፥ ደሙ እዩ እሞ፥ ዝበልዖ ዅሉ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን።</verse>
				<verse number="16">ክዳውንቱ እንተ ዘይሓፀበ፥ ሰብነቱ እውን እንተ ዘይተሓፀበ ግና ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="3">ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብፂ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነዓን ድማ ኣይትግበሩ፤ ብስርዓቶም እውን ኣይትንበሩ።</verse>
				<verse number="4">ብሕግጋተይ ንበሩ፤ ትእዛዛተይ ከዓ ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="5">ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="6">ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="7">ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት እኖኻን ኣይትቕላዕ፤ እኖኻ እያ እሞ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።</verse>
				<verse number="8">ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።</verse>
				<verse number="10">ናይ ጓል ወድኻ ወይ ናይ ጓል ጓልካ ሕፍረት ስጋ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ስጋኻ እዩሞ።</verse>
				<verse number="11">ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።</verse>
				<verse number="13">ሕፍረት ሓፍቲ እኖኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ እኖኻ እያ።</verse>
				<verse number="14">ሕፍረት ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ዘመድካ እያሞ። ንሳ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ።</verse>
				<verse number="15">ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ።</verse>
				<verse number="16">ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ሓውካ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሕፍረት እኖን ጓልን ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ጓል ጓላን ሕፍረት ጓል ወዳንውን ኣይትቕላዕ፤ ንሳተን ቀረባ ኣዝማድ እየን እሞ ዝሙት እዩ።</verse>
				<verse number="18">ሰበይትኻ ብህይወታ እንተላ ሓፍታ ኽተቕንኣ፥ ሕፍረት ሓፍታ ኣይትቕላዕ።</verse>
				<verse number="19">ሰበይቲ ብፅገኣ ረኺሳ እንተላ ብግብረ ስጋ ኣይትራኸባ።</verse>
				<verse number="20">ንርእስኻ በኣኣ ኸይትረክስ፥ ሕፍረት ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትቕላዕ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="22">ምስ ሰበይቲ ኸም እትድቅስ፥ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፤ እዙይ ርኽሰት እዩ።</verse>
				<verse number="23">ከይትረክስ ምስ ዝኾነ እንስሳ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፤ እዙይ ነውሪ እዩ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዝ ዅሉ ተግባራት እዙይ ረኺሶም እዮምሞ፥ በዙይ ኵሉ ኣይትርከሱ።</verse>
				<verse number="25">እታ ምድሪ በዙይ ረኸሰት፤ ስለዙይ ኣነ ኸዓ ንሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ። እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዝነብርዋ ተፍአቶም።</verse>
				<verse number="26">ንስኻትኩም ግና ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፥ ካብ ኵሉ እዝ ርኽሰት እዙይ ሓደኳ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="27">እዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ እቶም ቅድሜኹም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ገይሮምዎ እዮም፤ ስለዙይ እታ ምድሪ ረኸሰት።</verse>
				<verse number="28">ነታ ምድሪ እንተ ደኣ ኣርኪስኩምዋ፥ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸም ዝተፍአቶም፥ ንኣኻትኩምውን ክትተፍአኩም እያ።</verse>
				<verse number="29">ካብዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ ዝገበረ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝረኸሰ ስርዓታት ከይትገብሩ፤ ብእኡ ኸዓ ኸይትረኽሱ፤ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።</verse>
				<verse number="3">ነፍሲ ወከፍኩም እኖኡን ኣቦኡን ይፍራሕ። ሰናብተይ ከዓ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="5">ንኣይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ክትስውኡለይ እንተለኹም ደስ ከም ዘብለኒ ጌርኩም ሰውኡለይ።</verse>
				<verse number="6">በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ ዘፀይፍ እዩ እሞ እቲ መስዋእቲ ኣይቅቡልን እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝበልዖ ድማ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ኣርኪሱ እዩሞ፥ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ፤ ካብ ህዝቡ ኸዓ ይወገድ።</verse>
				<verse number="9">እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።</verse>
				<verse number="10">ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="11">ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ።</verse>
				<verse number="12">ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="13">ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።</verse>
				<verse number="14">ንፀማም ኣይትፅረፎ፤ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዐንቀፊ ኣይተንብር፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="15">ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="17">ንሓውካ ብልብኻ ኣይትፅልኣዮ፤ ብምኽንያት በደል ብፃይካ፥ ሓጢኣት ከይኾነካ ገስፆ።</verse>
				<verse number="18">ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="19">ሕግጋተይ ሓሉ፤ ንሓደ እንስሳ ምስ ካልእ ዓይነት እንስሳ ኣይተዳቕል። ኣብ ግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን።</verse>
				<verse number="20">ሓደ ሰብ ምስ ሓንቲ ዋጋ ሓርነታ ዘይተኸፍለላ፥ ወይ ሓርነት ዘይተውሃባ፥ ንሓደ ሰብኣይ ዝተሓፅየት ባርያ ዝኾነት ጓል፥ ደቂሱ እንተ ተረኽበ ኽልቲኦም ይቀፅዑ። ሓራ ስለ ዘይወፀት ግና ኣይቀተሉ።</verse>
				<verse number="21">ግና እቲ ሰብኣይ ክንዲ በደሉ ዝስዋእ ሓደ ማጕላ ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእ።</verse>
				<verse number="22">ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸዓ እቲ ኻህን በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ናብታ ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኵሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፥ ነቲ ፍረኡ ኸም ዘይተገርዘ ጌርኩም ረአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገርዘ ይኹንኩም፤ ኣይበላዕውን።</verse>
				<verse number="24">ፍረ እታ ራብዐይቲ ዓመት ግና ንምስጋና እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="26">ምስ ደሙ ዘሎ ስጋ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቍሉ፤ ኣይተማርቱውን።</verse>
				<verse number="27">ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ።</verse>
				<verse number="28">ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ህዝቢ ኸየመንዝር፥ ብርኽሰት ድማ ኸይመልእ፥ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።</verse>
				<verse number="30">ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ ከዓ ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="31">ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="33">ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ኣይትግፍዕዎ።</verse>
				<verse number="34">ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="35">ብፍርዲ ኾነ፥ ክትዕቅን፥ ክትመዝን፥ ክትሰፍር እንተለኻ ኣይትዓምፅ።</verse>
				<verse number="36">ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="37">እምበኣርከስ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።</verse>
				<verse number="3">መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሰብ እቱይ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ክህብ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ኽንዲ ዝቐትልዎ ሸለል እንተ በልዎ፥</verse>
				<verse number="5">እቲ ሰብ እቱይን ስድራኡን ብኣይ ፅሉኣት ክኾኑ እዮም። ንእኡን ነቶም ንኣይ ጠሊሞም ንሞሎኽ ከምልኹ ዝስዕብዎ ዅሎምን ካብ ህዝቦም ፈልየ ኸጥፍኦም እየ።</verse>
				<verse number="6">ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየሞ፥ ስለዙይ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።</verse>
				<verse number="8">ሕግጋተይ ሓልዉ፤ ፈፅምዎውን፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="9">ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ ብሞት ይቀፃዕ። ንኖኡን ነቦኡን ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ።</verse>
				<verse number="11">ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቐሰ ሰብ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ፥ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፥ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ።</verse>
				<verse number="15">ሰብ ምስ እንስሳ እንተ ተራኸበ ይቀተል። ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ።</verse>
				<verse number="16">ሰበይቲ ድማ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ሓደ እንስሳ እንተ ቐረበት፥ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተልዎም፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ ይቀተሉ።</verse>
				<verse number="17">ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ፅገ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ሕፍረታ እንተ ቐልዐ፥ ፈሳሲኣ ቐሊዑ እዩሞ፥ ንሳ ኸዓ ፈሳሲኣ ኣቕሊዓ እያሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቦም ይወገዱ።</verse>
				<verse number="19">ናይ ሓፍቲ እኖኻን ወይ ናይ ሓፍቲ ኣቦኻን ሕፍረት ኣይትቕላዕ። እዙይ ዝገብር ናይ ቀረባ ዘመድ ሕፍረት ቀሊዑ እዩሞ፥ ክልቲኦም ሓጢኣቶም ክስከሙ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ዝኾነ ሰብ ምስ ሰበይቲ ሓወቦኡ ብግብረ ስጋ እንተ ተራኸበ፥ ንሓወቦኡ ስለ ዘዋረዶ፥ በደለኛታት እዮም እሞ፥ ሓድጊ ዘይብሎም ይቀተሉ።</verse>
				<verse number="21">ዝኾነ ሰብ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፥ እዙይ ርኽሰት እዩ፤ ሕፍረት ሓዉ ስለ ዝቐልዐ ብዘይ ውሉድ ይቀተሉ።</verse>
				<verse number="22">እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምስ፥ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉን ፈፅሙን።</verse>
				<verse number="23">ብልማድ እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፤ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበሩ እየ ዝፈንፈንክዎም።</verse>
				<verse number="24">ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="25">እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ንፁሃትን ርኹሳትን እንስሳት፥ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንፁሃትን ኣዕዋፍ ፍለዩ። በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፥ ርእስኹም ኣይተርክሱ።</verse>
				<verse number="26">ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።</verse>
				<verse number="27">ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤</verse>
				<verse number="2">ቀረባ ዘመዱ፦ እኖኡ፥ ወይ ኣቦኡ፥ ወይ ወዱ፥ ወይ ጓሉ፥ ወይ ሓዉ፥</verse>
				<verse number="3">ወይ ኣብ ገዛኡ እትነብር ድንግል ዘይተመርዐወት ሓፍቱ፥ ክሞቱ እንተ ዘይኮኑ፥</verse>
				<verse number="4">ብመውስቦ ኣዝማዱ ዝኾኑ እንተ ሞቱ ሬሳኦም ብምንካእ ኣይርከስ።</verse>
				<verse number="5">ካህናት፥ ርእሶም ኣይላፅዩ፤ ወሰና ወሰን ጭሕሞም ኣይላፅዩ፤ ሰብነቶም ከዓ ኣይባሕጭሩ።</verse>
				<verse number="6">ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ።</verse>
				<verse number="7">ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።</verse>
				<verse number="9">ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፥ ነቦኣ ስለ ዘዋረደት ብሓዊ ትቃፀል።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኣብ ኣሕዋቱ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣብ ርእሱ ቕብኣት ዘይቲ ዝፈሰሶ፥ ናይ ክህነት ኣልባስ ክለብስ ድማ ዝተቐደሰ፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ካህን፥ ርእሱ ኣይቕላዕ፤ ክዳኑውን ኣይቕደድ።</verse>
				<verse number="11">ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ቕድስና ናይ ኣምላኹ ቕብኣት ዘይቲ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፥ ካብ መቕደስ ኣይውፃእ። መቕደስ ኣምላኹ ኸዓ ኣየርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ድንግል ጓል የእቱ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ህዝቡ ድንግል ዝኾነት ጓል የእቱ እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ።</verse>
				<verse number="15">ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ዘርኡ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኣየርክስ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="17">ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ብዝመፅእ ትውልዲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ኣካል ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኽስውእ ኢሉ ኣይቕረብ።</verse>
				<verse number="18">ዝኾነ ሰብ ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዕዉር፥ ወይ ሓንካስ፥ ወይ መልክዑ ወይ ቅርፁ ዝተበላሸወ፥</verse>
				<verse number="19">ወይ ስቡር እግሪ፥ ወይ ስቡር ኢድ ዝኾነ ሰብ፥</verse>
				<verse number="20">ወይ ጐባጥ፥ ወይ ድንኪ፥ ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፥ ወይ ሻሕራም፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኸቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።</verse>
				<verse number="22">ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ።</verse>
				<verse number="23">እንተ ኾነ ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መቕደሰይ ኣየርክስ፤ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፤ ናብ መሰውኢውን ኣይቕረብ፤ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ድማ እዙይ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="3">ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥</verse>
				<verse number="5">ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="7">ፀሓይ ምስ ዓረበት ግና ንፁህ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ።</verse>
				<verse number="8">ብእኡ ኸይረክስ፥ ዝበኸተን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ኻህን ብገንዘቡ ዓዲጉ ባርያ እንተ ኣጥረየ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ ዝተወልደ ባርያ እንተ ሃልይዎ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብፅሒቱ ይብልዑ።</verse>
				<verse number="12">ጓል ካህን ድማ ኻብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ እንተ ተመርዐወት፥ ካብቲ ብፅሒት ካህናት ዝኾነ ቕዱስ መስዋእቲ ኣይትብላዕ።</verse>
				<verse number="13">ጓል ካህን መበለት ወይ ፍትሕቲ እንተ ኾይና፥ ውሉድውን እንተ ዘይብላ፥ ተመሊሳ ድማ ኸምቲ ብጓላ ዝነበረቶ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተ ተቐሚጣ፥ ካብ እንጀራ ኣቦኣ ትብላዕ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="14">ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ዝተቐደሰ፥ እቶም ካህናት ንዘይግብኦም ሰባት ክበልዕዎ ብምፍቃድ ኣየርክስዎ፤ በዙይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበልዑ መቕፃዕቲ ዘስዕብ በደል ከየምፅኡ፥ ነቲ መስዋእቲ ቅዱስ ዝገብሮ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="18">ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዝነብር ጓና መስዋእቱ ኸቕርብ እንተሎ፥ መስዋእቲ መብፅዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር ንዝቃፀል መስዋእቲ ዘቕርብ፥</verse>
				<verse number="19">ምእንቲ ቕቡል ክኾነሉ፥ ካብ ኣብዑር ኮነ ኻብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ።</verse>
				<verse number="20">ዝኾነ ጐደሎ ዘለዎ ግና ቕቡል ኣይኾነልኩምን እዩ እሞ ኣይተቕርብዎ።</verse>
				<verse number="21">ዝኾነ ሰብ ድማ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ ከፍቲ ኾነ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ከቕርብ እንተሎ ቕቡል ምእንቲ ክኾነሉ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን።</verse>
				<verse number="22">ዕዉር፥ ወይ ስቡር፥ ወይ ቍሩፅ፥ ወይ ቍሱል፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ሻሕራም ወይ ዙዕታ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብዚኣቶም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="23">ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ብምጭፍላቕ፥ ወይ ብምቕጥቃጥ፥ ወይ ብምምላሕ፥ ወይ ብምቝራፅ ዝተመከተ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፤ ኣብ ሃገርኩም ከምዙይ ዝበለ ኣይትሰውኡሉ።</verse>
				<verse number="25">ከምዚኣቶም ዝበሉ እንስሳት ካብ ጓና ተቐቢልኩም ንኣምላኽኩም ከም መስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ጕዱኣትን ጐደሎ ዘለዎምን ስለ ዝኾኑ ቕቡላት ኣይኾኑልኩምን እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="27">ብተይ፥ ወይ ሌማ፥ ወይ ማሕስእ ምስ ተወለደ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ንደሓር ግና ንእግዚኣብሄር ንዝቐርብ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ቕቡል እዩ።</verse>
				<verse number="28">ላሕሚ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ፤</verse>
				<verse number="29">መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፤ ካብኣ ሓደ እኳ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ኣይትሕደጉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="31">ትእዛዛተይ ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="33">ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝተቐደሰ ጉባኤ ኢልኩም እትእውጁለን በዓላተይ እዚኣተን እየን፦</verse>
				<verse number="3">ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ።</verse>
				<verse number="4">እተን ኣብ ምዱብ ጊዜያተን ንህዝቢ እስራኤል እትእውጁወን በዓላተይ እዚኣተን እየን።</verse>
				<verse number="5">ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="6">በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ።</verse>
				<verse number="7">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="8">ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="10">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ።</verse>
				<verse number="12">በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ጡበት በጊዕ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="13">ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ካብቲ መስፈሪ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ዝኾነ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ብሓዊ ዝቃፀል ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ምስኡ ድማ ንቝርባን ወይኒ ርብዒ ብመስፈሪ ኢን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="14">ንኣምላኽኩም ቍርባን ክሳዕ እተቕርቡሉ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይ እንጀራ ኾነ ዝተጠበሰ ሸዊት፥ ለምለም ሸዊትውን ኣይትብልዑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ሕጊ ይኹንኩም።</verse>
				<verse number="15">ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምፃእኹምላ መዓልቲ ንደሓር፥ ካብ ፅባሕ እታ ሰንበት ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ምሉኣት ሰሙናት ቍፀሩ።</verse>
				<verse number="16">ክሳዕ ፅባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት ድማ ሓምሳ መዓልቲ ቝፀሩ፤ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ቍርባን እኽሊ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="17">ካብቲ እትገብርዎ፥ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ብኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ በዂዑ ዝተሰንከተ ኽልተ ሕብስቲ ንእግዚኣብሄር በዅራት ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="18">ምስቲ ሕብስቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ይኹኑ። ምስቲ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="19">ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ጡበታት ኣባጊዕ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="21">በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="24">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ ይኹነልኩም። ብቓና መለኸት ጌርኩም ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ።</verse>
				<verse number="25">ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="27">ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ። ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ዝኾነ ነገር ድማ ኣይትብልዑ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="29">በታ መዓልቲ እቲኣ ንባዕሉ ዘየዋርድ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="31">ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="32">እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍፁም ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብንስሃ ንርእስኹም ኣዋርዱ። ካብ ምሸት ናይታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክሳዕ ምሸት ናይታ ዓስረይቲ መዓልቲ ፍፁም ዕረፍቲ ግበሩ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="34">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ንእግዚኣብሄር በዓል ዳስ ይኸውን፤ እዙይውን ንሸውዓተ መዓልቲ ይፀንሕ።</verse>
				<verse number="35">ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="36">ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ብሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። መዓልቲ ጉባኤ እዩ እሞ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="37">ቅዱስ ጉባኤታት እትእውጁለን፥ ዕለታት እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእትን ቍርባን እኽልን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እዚኣተን እየን።</verse>
				<verse number="38">እዞም በዓላት እዚኣቶም፥ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር እትህብዎ ውህብቶኹም፥ ብዘይ ኵሉ መብፅዓኹም፥ ብዘይ እቶም ብፍቓድኩም እተቕርብዎም ተወሰኽቲ እዮም።</verse>
				<verse number="39">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፥ ሸውዓተ መዓልቲ፥ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። እታ ቐዳመይቲ መዓልትን እታ ሻምነይቲ መዓልትን፥ መዓልቲታት ዕረፍቲ ይኹና።</verse>
				<verse number="40">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለፀ ፍረ ኦምን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋም ኲሓን ውሰዱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="41">ነዝ በዓል እዙይ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ።</verse>
				<verse number="42">ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፥ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፤ ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="43"></verse>
				<verse number="44">ከምዙይ ኢሉ ሙሴ፥ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር፥ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="3">ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ።</verse>
				<verse number="5">ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ኣብቲ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሽዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ሕብስቲ ድማ ንመዘከርታ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕድሕድ መስርዕ ሕብስቲ ፅሩይ ዕጣን ኣንብር።</verse>
				<verse number="8">ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="10">እኖኡ እስራኤላዊት ኣቦኡ ድማ ግብፃዊ ዝኾነ ሰብኣይ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሰ።</verse>
				<verse number="11">ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።)</verse>
				<verse number="12">ፍቓድ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝግለፀሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅንሕዎ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="14">ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ።</verse>
				<verse number="15">ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዝፀረፈ ፍዳኡ ኽቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንስም እግዚኣብሄር ዝፀርፍ ይቀተል፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። ጓና ኾነ ወይ እስራኤላዊ፥ ንስም እግዚኣብሄር እንተ ፀረፈ ይቀተል።</verse>
				<verse number="17">ሰብ ዝቐተለ ይቀተል።</verse>
				<verse number="18">ናይ ካልእ ሰብ እንስሳ እንተ ቐተለ ኸዓ፥ ህይወት ክንዲ ህይወት እዩ እሞ፥ ይተክእ።</verse>
				<verse number="19">ሰብ፥ ኣካል ብፃዩ እንተጕደለ፥ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፤</verse>
				<verse number="20">መስበርቲ፥ ክንዲ መስበርቲ፤ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፤ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ ይኹን። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጕደሎ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ይግበርዎ።</verse>
				<verse number="21">እንስሳ ዝቐተለውን ይተክአሉ፤ ንሰብ ዝቐተለ ግና ይቀተል።</verse>
				<verse number="22">ንጓና ኾነ ንእስራኤላዊ ሓደ ዓይነት ሕጊ ይኹነልኩም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ ነቲ ዝፀረፈ ናብ ወፃኢ ሰፈር ወሲዶም፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተኽብር።</verse>
				<verse number="3">ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፥ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ወይንኻ ጠጥፍ፤ ፍረኣ ድማ ኣክብ።</verse>
				<verse number="4">በታ ሻውዐይቲ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ግና እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ትኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፥ ወይንኻ እውን ኣይትቝረፅ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ እንተይተዘርአ ባዕሉ ዝበቊል ኣይትዕፀዶ፤ ነቲ እንተይገረዝካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥቦ። ነታ ምድሪ ዓመት ዕረፍቲ ሰንበት ይኹን።</verse>
				<verse number="6">እታ ምድሪ በታ ዓመት እቲኣ እንተ ዘይተሓርሰት እኳ ንኣኻን ንኣገልጋሊኻን ንኣገልጋሊትካን ንዕሱብካን ግዙእኻን ንግዝእትኻን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ክትህብ እያ።</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ፍረኣ ንእንስሳኻን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ ኣራዊትን ቀለብ ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ዓመት ቍፀር፤ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።</verse>
				<verse number="9">ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመዓልቲ ስርየት ሓጢኣት፥ ኣብ ኵላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ።</verse>
				<verse number="10">ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።</verse>
				<verse number="11">እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም፤ ኣይትዝርኡ፤ እቲ ባዕሉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸዓ ኣይትዕፀዱ፤ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ።</verse>
				<verse number="12">እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም፤ ግራት ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራሕ ብልዑ።</verse>
				<verse number="13">በዛ ዓመት ኢዮቤልዩ፥ ዝኾነ ዝተሸጠ ርስቲ ናብ ናይ ቅድም ዋናኡ ይመለስ።</verse>
				<verse number="14">ንብፃይካ መሬት እንተ ሸጥካሉ፥ ወይ ካብ ብፃይካ እንተ ዓዲግካ፥ ሰብ ንብፃዩ ኣየታልል።</verse>
				<verse number="15">ካብ ብፃይካ መሬት ክትዕድግ እንተለኻ፥ ክሳዕ እታ እትመፅእ ዓመት ኢዮቤልዩ ዘሎ ቝፅሪ ዓመታት ቈፂርካ ዓድግ፤ ንሱ ድማ ብመጠን እታ ምድሪ እተፍርየለን ዓመታት ይሽጠልካ።</verse>
				<verse number="16">ብቝፅሪ ዓመታት መጠን እተፍርዮ ፍረ እዩ ዝሸጠልካ እሞ፥ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፤ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ።</verse>
				<verse number="17">ሓደ እኳ ንብፃዩ ኣይዓምፅ፤ ንኣይ ንኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="18">ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉን ግበርዎን፤ ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19">እታ ምድሪ ኸዓ ፍረኣ ትህብ እሞ፥ በሊዕኹም ትፀግቡ፤ ኣብኣ እውን ብደሓን ትነብሩ።</verse>
				<verse number="20">እንተ ዘይዘራእናን ፍረ ድማ እንተ ዘየእተናን ደኣ በታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="21">በታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸተፍርየልኩም እያ።</verse>
				<verse number="22">በታ ሻምነይቲ ዓመት ድማ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ካብ ነባር እኽሊ ኸዓ ኽትበልዑ ኢኹም። እታ ታሽዐይቲ ዓመት፥ ፍሪኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፥ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።</verse>
				<verse number="24">መሬት ክሽየጥ እንተሎ እቲ ናይ ቅድም ዋናኡ መሊሱ ኽዕድጎ ግቡእ ኸም ዝኾነ ይፈለጥ።</verse>
				<verse number="25">ሓደ እስራኤላዊ ሓውካ ተሸጊሩ ኻብ ርስቱ እንተ ሸጠ፥ ዝቐርቦ ዘመዱ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ርስቲ ኸፊሉ ይምለሶ።</verse>
				<verse number="26">መሊሱ ዝዕድጎ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፥ ደሓር ግና እንተ ሃብተመ፥ ንመኽፈሊ ዝኣክል እውን እንተ ረኸበ፥</verse>
				<verse number="27">እቲ መሬት ዝተሸጠሉ ዓመታት ይቝፀር እሞ፥ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝዓደገ ሂቡ፥ ናብ ርስቱ ይመለስ።</verse>
				<verse number="28">ንመምለሲኡ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፥ እቲ ዝተዓደገ ኽሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ኣብ ኢድ ዓዳጊኡ ይፅናሕ፤ በታ ዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፃእ፤ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ።</verse>
				<verse number="29">ሓደ ሰብ ኣብ ዝተቐፀረት ከተማ ዘላ ገዛ እንተ ሸጠ፥ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ከም ብሓድሽ ክዕድጋ ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="30">ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይዓደጋ ግና እታ ኣብ ዝተዓረደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ ዝዓደጋ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ እውን ኣይትውፃእ።</verse>
				<verse number="31">ኣብ ዙርያአን ቅፅሪ ኣብ ዘይብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ኸም ግራውቲ ሃገር ይተሓሰባ፤ እቲ ዋና መሊሱ ኽዕድገን ይኽእል እዩ፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ ድማ ሓራ የውፅኣ።</verse>
				<verse number="32">ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፥ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸፊሎም ክመልስወን ይኽእሉ እዮም።</verse>
				<verse number="33">ሓደ ሌዋዊ ኻብዘን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፥ ቤት እንተ ሸጠ፥ መሊሱ ኽዕድጋ ድማ እንተ ዘይከኣለ፥ እታ ቤት ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ትውፃእ። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ሌዋውያን እየንሞ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘለዋ ግራውቲ ግና፥ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እየን እሞ ኣይሸየጣ።</verse>
				<verse number="35">ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ እናሃለወ እንተ ሰኣነ፥ ከም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ።</verse>
				<verse number="36">ካብኡ ሃረፃ ወይ ወለድ ኣይትውሰድ። ንእግዚኣብሄር ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ሓውካ ኸዓ ምሳኻ ይንበር።</verse>
				<verse number="37">ገንዘብካ ብሃረፃ ኣይተለቅሓዮ፤ እኽልኻውን ብወለድ ኣይትሃቦ።</verse>
				<verse number="38">ኣምላኽ ክኾነኩምን ምድሪ ከነዓን ክህበኩምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
				<verse number="39">ሓውካ ምሳኻ እንተሎ እንተ ደኸየ፥ ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠልካ፥ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ።</verse>
				<verse number="40">ከም በዓል ዓስብን ከም ስደተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ድማ የገልግልካ።</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ንሱን ደቁን ካባኻ ሓራ ይውፅኡ፤ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቲ ኣቦታቶምን ከዓ ይመለሱ።</verse>
				<verse number="42">ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ኣገልገልተይ እዮም እሞ ኸም ባርያ ኣይሸየጡ።</verse>
				<verse number="43">ኣጨኒቕካ ኣይትግዝኣዮም፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ።</verse>
				<verse number="44">ንኣኻትኩም ዝኾኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት ግዝኡ።</verse>
				<verse number="45">ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዝነብሩ ጓኖትን ኣብ ሃገርኩም ካብ ዝተወለዱ ዓሌቶምን ዓድጉ እሞ፥ ጥሪት ይኹኑኹም።</verse>
				<verse number="46">ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፤ ንሳቶም ንውሉድ ወለዶ ኸገልግሉኹም እዮም። ነሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ንሓደ እኳ ኣጨኒቕኩም ኣይትግዝእዎ።</verse>
				<verse number="47">ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓና ወይ ጋሻ እንተ ሃብተመ፥ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ከዓ እንተ ደኸየ እሞ፥ ኣብ ሓደ ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠ፥</verse>
				<verse number="48">ሓራ ኽወፅእ ይኽእል እዩ እሞ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይቤዘዎ።</verse>
				<verse number="49">ሓወቦኡ ወይ ወዲ ሓወቦኡ ወይ ካብ ዓሌቱ ሓደ ዘመዱ ይቤዘዎ፤ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፥ ንባዕሉ ይቤዘዎ።</verse>
				<verse number="50">ካብታ ዝተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ምስቲ ዝዓደጎ ኾይኑ ይፀብፅብ፤ ዋጋ ሓርነቱ ብመጠን ቍፅሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ኮይኑ፥ በቲ ንሓደ ዕሱብ ዝኽፈሎ ውዕለት ይገምገም።</verse>
				<verse number="51">ገና ብዙሕ ዓመታት ተሪፉ እንተ ሃልዩ ግና ሓራ ኽወፅእ ብመጠን እተን ዓመታት ካብቲ ዝተሸጠሉ ገንዘብ ይምለስ።</verse>
				<verse number="52">ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ቑሩብ ዓመታት እንተ ተሪፉ፥ ምስቲ ዝዓደጎ ፀብፂቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መቤዘዊኡ ይምለስ።</verse>
				<verse number="53">ከም ዕሱብ ዓመት ዓመት ከም ዝተቘፀረ ጌርካ ይገመት፤ እቲ ጐይታኡ ኣጨኒቑ ኣይግዝኣዮ።</verse>
				<verse number="54">በዝ ኸምዙይ ሓራ እንተ ዘይወፀ ግና፥ ንሱን ደቁን ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፅኡ፤</verse>
				<verse number="55">ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ። ንሳቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ባሮተይ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ነኣኻትኩም ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ምስሊ፥ ወይ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ድማ ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ምድሪኹም ኣይትግበሩ፤ ኣምላኽኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="2">ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ እውን ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="3">ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥</verse>
				<verse number="4">ኣነ ዝናም ብጊዜኡ ኽህበኩም እየ። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ። ኣእዋም በረኻ ኸዓ ፍረአን ክህባ እየን።</verse>
				<verse number="5">መኼዳኹም ክሳዕ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ይፀንሕ፤ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ኸዓ ኽሳዕ ዘርኢ ይፀንሕ፤ እንጀራኹም በሊዕኹም ክትፀግቡ፥ ኣብ ምድሪኹም ከዓ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን።</verse>
				<verse number="7">ንፀላእትኹም ተሳጕጉዎም፤ ንሳቶም ድማ ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።</verse>
				<verse number="8">ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጉዎም፤ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ የሳጕጉዎም፥ ፀላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።</verse>
				<verse number="10">ንነዊሕ ጊዜ ዝተዓቝረ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ምስ ፀናሕኹም፥ ነቲ ሓድሽ እኽሊ ስፍራ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ዕቑር ተውፅእዎ።</verse>
				<verse number="11">ማሕደረይ ኣብ ማእኸልኩም ክገብር እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣይፅየፈኩምን እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ።</verse>
				<verse number="13">ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም።</verse>
				<verse number="14">ግና እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥ ነዝ ዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይፈፂምኩም፥</verse>
				<verse number="15">ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥</verse>
				<verse number="16">ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።</verse>
				<verse number="19">ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="20">ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።</verse>
				<verse number="21">እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።</verse>
				<verse number="22">ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።</verse>
				<verse number="23">በዝ ነገር እዙይ እንተ ዘይተቐፃዕኹም፥ ንኣይውን ብምፅራር እንተ ፀኒዕኹም፥</verse>
				<verse number="24">ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።</verse>
				<verse number="25">ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="26">እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪ እዝ ዅሉ እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ እሞ እናተፃረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፥</verse>
				<verse number="28">ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።</verse>
				<verse number="29">ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።</verse>
				<verse number="31">ንኸተማታትኩም ከዕንወን እየ፤ ንመቕደሳትኩም እውን ከፍርሰን እየ፤ ደጊም በቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ደስ ኣይብለንን እዩ።</verse>
				<verse number="32">ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፀላእትኹምውን ከስደምሞም እዩ።</verse>
				<verse number="33">ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።</verse>
				<verse number="34">ሽዑ እታ ሃገር በቲ ዅሉ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዓመታት ዕረፍታ ደስ ክብላ፥ ሽዑ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ብዕረፍታ ኸዓ ደስ ክብላ እዩ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ እንተለኹም ዘይረኸበቶ ዕረፍቲ፥ በቲ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን ክትረኽቦ እያ።</verse>
				<verse number="36">ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ።</verse>
				<verse number="37">ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ማእኸል ህዝብታት ትጠፍኡ፤ ምድሪ ፀላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም።</verse>
				<verse number="39">እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ።</verse>
				<verse number="40">በቲ ዝበደሉንን በቲ ዝገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ክናዘዙ እዮም። ንሳቶም ስለ ዝተፃረሩንን ስለ ዝኸድዑንን፥</verse>
				<verse number="41">ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥</verse>
				<verse number="42">ኣነ እግዚኣብሄር ድማ እቲ ምስ ያእቆብን ምስ ይስሓቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣተኹዎ ኺዳነይ እዝክር፤ ነታ ሃገር እውን እዝክራ።</verse>
				<verse number="43">ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።</verse>
				<verse number="44">ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።</verse>
				<verse number="45">ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውፅኦም እንተለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="46">እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሃቦ ትእዛዛትን ሕግጋትን እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦</verse>
				<verse number="3">ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ንሰበይቲ ሰላሳ ብሩር ይኽፈል።</verse>
				<verse number="5">ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ዕስራ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ዕስራ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን፤</verse>
				<verse number="6">ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ከዓ ሰለስተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ልዕሊ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንሰበይቲ ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን።</verse>
				<verse number="13">ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ።</verse>
				<verse number="14">ሓደ ሰብ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክትከውን እንተ ቐደሳ፥ እቲ ኻህን ነታ ገዛ ፅባቐኣ ወይ ምሕማቓ ይገምግማ። ዋጋኣ ኸዓ ኸምቲ ኻህን ዝገመታ ይኹን።</verse>
				<verse number="15">እቲ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ዝሃባ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።</verse>
				<verse number="16">ሓደ ሰብ ካብ ርስቱ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኡ በቲ ዝውድኦ ዘርኢ ይገመት፤ ብመስፈሪ ሆሜር ስገም ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኽፈል።</verse>
				<verse number="17">ነታ ግራቱ ድሕሪ ዓመት ኢዮቤልዩ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኣ ኸም ናይ ቅድሙ ይኹን እምበር ኣይለወጥ።</verse>
				<verse number="18">ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ሓለፈ ግራቱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ ካብቲ ዋጋኣ ድማ ይጕደል።</verse>
				<verse number="19">እቲ ግራቱ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ዝሃበ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ፥ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።</verse>
				<verse number="20">ነታ ግራት መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ዘይደለየ እሞ ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ ብድሕሪኡ መሊሱ ኽዕድጋ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን።</verse>
				<verse number="22">ሓንቲ ኻብ ርስቱ ዘይኮነት፥ ግና ዝዓደጋ ግራት ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር እንተ ወፈየ ድማ፥</verse>
				<verse number="23">ሽዑ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይኽፈል። እቲ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="24">ብዓመት ኢዮቤልዩ ግና እታ ግራት ናብቲ ዝሸጣ፥ ናብቲ በዓል ርስቲ ትመለስ።</verse>
				<verse number="25">ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ።</verse>
				<verse number="26">በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="27">በዅሪ ዝረኸሰ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይዓድጎ። እንተ ዘይዓደጎ ግና ብዋጋኡ ይሸየጥ።</verse>
				<verse number="28">ሰብ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይኹን ኢሉ ዝወፈዮ ዅሉ፥ ብገንዘብ ወይ ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ግራት ርስቱ ኣይሸየጥ፤ ኣይቤዘዎውን። ዝተወፈየ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ሰብ ሕሩም ዝኾነውን ካሳዕ ዝሞት ኣይቤዘውን።</verse>
				<verse number="30">ኵሉ ዓስራት ምድሪ፥ ወይ ዘርኢ ምድሪ ወይ ፍረ ኦም፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ሰብ ነቲ ዓስራት ክቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይቤዘዎ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="33">ፅቡቕ ወይ ክፉእ ኢሉ ኣይመርምር፤ ኣይለውጥ። እንተ ለወጠ ግና፥ ንሱን እቲ መላውጡን ንኣይ ዝተቐደሱ ይኹኑ። ክቢዘዎውን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="34">እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝሃቦም ትእዛዛት እዚኣቶም እዮም።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="4">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="2">“ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም።</verse>
				<verse number="4">ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦ ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥</verse>
				<verse number="6">ካብ ስምኦን፥ ሰለሚኤል ወዲ ሰዲዮር፥</verse>
				<verse number="7">ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥</verse>
				<verse number="8">ካብ ይሳኮር፥ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥</verse>
				<verse number="9">ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥</verse>
				<verse number="10">ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥</verse>
				<verse number="11">ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥</verse>
				<verse number="12">ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥</verse>
				<verse number="13">ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥</verse>
				<verse number="14">ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥</verse>
				<verse number="15">ካብ ንፍታሌም፥ ኣኪሬ ወዲ ዔናን።”</verse>
				<verse number="16">እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥</verse>
				<verse number="18">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦</verse>
				<verse number="20">ካብ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥</verse>
				<verse number="21">ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥</verse>
				<verse number="23">ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="24">ካብ ጋድ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="25">ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ይሁዳ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="27">ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ይሳኮር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="29">ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ዛብሎን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="31">ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="33">ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="35">ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="37">ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="38">ካብ ዳን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="39">ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ፥</verse>
				<verse number="40">ካብ ኣሴር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="41">ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="42">ካብ ንፍታሌም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="43">ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።</verse>
				<verse number="45">ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="46">ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።</verse>
				<verse number="47">ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን።</verse>
				<verse number="48">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦</verse>
				<verse number="49">“ንነገድ ሌዊ ኣይትቝፀሮም፤ ቍፅሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትሕወሶ።</verse>
				<verse number="50">ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።</verse>
				<verse number="51">እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።</verse>
				<verse number="52">ደቂ እስራኤል ከዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኡ ምስ ዓሌቶም በብኽፍሎም ይስፈሩ።</verse>
				<verse number="53">ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”</verse>
				<verse number="54">እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተናገሮም፦</verse>
				<verse number="2">“ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማኦምን ኣብ ምልክት ነናይ ማይ ቤቶምን ይስፈሩ። ኣብ መንፅር እቲ መራኸቢ ድንኳን ብዙርያኡ ርሕቕ ኢሎም ይስፈሩ።”</verse>
				<verse number="3">ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ኸዓ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ቀፂሉ ዝሰፍር ከዓ ነገድ ዛብሎን እዩ፤ ሹም ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።</verse>
				<verse number="10">ሰራዊት ሮቤል ብወገን ደቡብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ሮቤል ከዓ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር እዩ።</verse>
				<verse number="11">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ምስኡ ለጊቦም ከዓ ነገድ ስምኦን ይስፈሩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ቀፂሉ ነገድ ጋድ ይስፈር፤ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።</verse>
				<verse number="15">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበረ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪኡ ድማ እቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኣቶም ከምኡ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኦም መምስ ሰንደቕ ዕላማኣቶኦም ይጐዓዙ።</verse>
				<verse number="18">ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ብዝሒ ሰራዊቱ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ።</verse>
				<verse number="21">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ብዝሒ ሰራዊቱ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።</verse>
				<verse number="25">ሰራዊት ዳን ብወገን ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ቀፂሉ ነገድ ንፍታሌም ይስፈር። ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዩ።</verse>
				<verse number="30">ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።</verse>
				<verse number="32">እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ እዚኣቶም እዮም። ኵሎም በብሰራዊቶም ከዓ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።</verse>
				<verse number="33">ሌዋውያን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።</verse>
				<verse number="34">ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፤ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ከዓ ተጕዓዙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">በታ እግዚኣብሄር ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተዛረበላ እዋን፥ ትውልዲ ኣሮንን ሙሴን እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም።</verse>
				<verse number="3">ስም እቶም ከገልግሉ ዝተቐብኡ ካህናት፥ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="4">ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="6">“ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ።</verse>
				<verse number="9">ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="10">ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።”</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="12">“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="13">በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና</verse>
				<verse number="15">“ንደቂ ሌዊ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ቍፀሮም፤ ዕድሚኡ ኻብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቍፀሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ሌዊ፥ በብስሞም ጌድሶን፥ ቃዓት፥ ሜራሪ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶም፥ ሎቤኒ፥ ስሜኢ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ቃዓት በብዓሌቶም፥ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶም፥ ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="21">ዓሌታት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን ካብ ጌድሶን ዝውለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ይስፈሩ።</verse>
				<verse number="24">ሹም ዓሌታት ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ።</verse>
				<verse number="25">ሓላፍነት ደቂ ጌድሶን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ነቲ ድንኳንን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥</verse>
				<verse number="26">መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።</verse>
				<verse number="27">ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="28">ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="29">ዓሌታት ደቂ ቃዓት ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ይስፈሩ።</verse>
				<verse number="30">ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀዓታውያን ኤሊሳፋን ወዲ ዑዝኤል እዩ።</verse>
				<verse number="31">ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።</verse>
				<verse number="32">ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሳውያንን ካብ ሜራሪ ዝውለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሽዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="35">ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ።</verse>
				<verse number="36">ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥</verse>
				<verse number="37">ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ።</verse>
				<verse number="38">ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።</verse>
				<verse number="39">ኵሎም ሌዋውያን፥ ከምቲ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘፀርዎም፥ ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኾኑ።</verse>
				<verse number="40">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኵሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቝፀሮም፤ ስማቶም ድማ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="41">ክንዲ ዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ክንዲ በዅሪ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ይኹና። ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።”</verse>
				<verse number="42">ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም።</verse>
				<verse number="43">ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ።</verse>
				<verse number="44">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="45">“ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="46">ነቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ቍፅሪ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥</verse>
				<verse number="47">ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ እናኽፈልካ ተቤዘዎም።</verse>
				<verse number="48">ነቲ ኽትብዘዎም ኢልካ ዘኽፈልካዮ ገንዘብ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።”</verse>
				<verse number="49">ሙሴ ድማ ኻብቶም ካብ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ ገንዘብ ቤዛ ወሰደ።</verse>
				<verse number="50">ካብ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ቅርሺ ብሩር ወሰደ።</verse>
				<verse number="51">ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን</verse>
				<verse number="2">“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ደቂ ቃዓት በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።</verse>
				<verse number="3">ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="4">“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ናይቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ዝኾነ ነገራት፥ ስራሕ ደቂ ቃዓት እዙይ እዩ፤</verse>
				<verse number="5">እቲ ሰፈር እንትለዓል፥ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ብእኡ ይኽደንዎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።</verse>
				<verse number="7">“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ቐይሕ ግምጃ ይዘርግሑሉ፤ ንእኡ ኸዓ ብቘርበት እንስሳ ዝተሰርሐ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፤ መፃውራትውን የእትዉሉ።</verse>
				<verse number="9">“ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከዓ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ነቲ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊ ርስሓቱን ነቲ ዘይቲ ዝሕዙሉ ኣቑሑኡን ይኽደኑ።</verse>
				<verse number="10">ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ።</verse>
				<verse number="11">“ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።</verse>
				<verse number="12">“ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ።</verse>
				<verse number="13">“ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።</verse>
				<verse number="15">“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።</verse>
				<verse number="16">“ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።”</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="18">“ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="22">“ንደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ቍፅሮም ውሰድ።</verse>
				<verse number="23">ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="24">“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="25">ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥</verse>
				<verse number="26">መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን፥ ገመዳቱን ኵሉ ኣቑሑ ኣገልግሎቶምን ይፁሩ። ከምዙይ ገይሮም ኵሉ ኣገልግሎቶም ይፈፅሙ።</verse>
				<verse number="27">ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።</verse>
				<verse number="28">ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን።</verse>
				<verse number="29">“ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።</verse>
				<verse number="30">ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም።</verse>
				<verse number="31">ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥</verse>
				<verse number="32">ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="33">ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”</verse>
				<verse number="34">ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ንደቂ ቀዓታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈፀርዎም።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ድማ ኾኑ።</verse>
				<verse number="37">እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="38">እቶም ካብ ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥</verse>
				<verse number="39">ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="40">ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።</verse>
				<verse number="41">እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="42">እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥</verse>
				<verse number="43">ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="44">ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="45">እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="46">እቶም ሙሴን ኣሮንን ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን፥ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝቘፀርዎም ኵሎም ሌዋውያን፥</verse>
				<verse number="47">ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብምግልጋልን ብምፅዋርን ክሰርሑ ዝመፁ ዅሎም፥</verse>
				<verse number="48">ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="49">ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ</verse>
				<verse number="2">ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="3">ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ነቲ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅእዎም በሎ።</verse>
				<verse number="4">ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="6">ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥</verse>
				<verse number="7">ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።</verse>
				<verse number="8">ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ።</verse>
				<verse number="9">ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፤ ኵሉ እቲ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ድማ ነቲ ኻህን ይኹን በሎም።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="12">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፥ ብምዝማዋ ኸዓ እንተ በደለቶ፥</verse>
				<verse number="13">ምስ ካልእ ሰብኣይ እንተ ደቂሳ፥ ምስክር ስለ ዘይተረኽባ፥ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት ስለ ዘይተትሐዘት፥ እዙይ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፥ ብሕቡእ ድማ እንተ ረኸሰት፥</verse>
				<verse number="14">መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥</verse>
				<verse number="15">ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምፅኣያ። ብዛዕባኣ ኸዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ እዩሞ፥ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻህን ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኻህን በቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቤት ድንኳን ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸዓ ኣብቲ ማይ ይግበር።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ብዘስዕብ ማሕላ የምሕላ፤ ከምዙይ ከዓ ይበላ፦ “ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘይደቀስኪ እንተ ዄንኪ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ዄንኪ፥ እዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኺ።</verse>
				<verse number="20">ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፥ እንትርፊ ምስ ሰብኣይኪ ምስ ካልእ ደቂስኪ እንተ ዄንኪ፥</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ማህፀንኪ ኸም ዝዅምተር፥ ከብድኺ ኸም ዝንፋሕ ብምግባር፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ።</verse>
				<verse number="22">ከብድኺ ኽነፍሕ ሰለፍኪ ኸዓ ኸማስን፥ እዝ መርገም ዘምፅእ ማይ እዙይ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ” ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ኣሜን፥ ኣሜን” ትበል።</verse>
				<verse number="23">እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ።</verse>
				<verse number="24">ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="28">እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ።</verse>
				<verse number="29">ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥</verse>
				<verse number="30">ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም።</verse>
				<verse number="31">እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥</verse>
				<verse number="3">ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="4">በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።</verse>
				<verse number="5">በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ።</verse>
				<verse number="6">በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ።</verse>
				<verse number="7">እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ።</verse>
				<verse number="8">ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ።</verse>
				<verse number="12">ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።</verse>
				<verse number="13">ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">እቲ ኻህን ከዓ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈን ንዝቃፀል መስዋእትን ገይሩ ኸዓ ይሰውኣዮ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ምስ ላፀዮ፥ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ማጕላ ይውሰዳ፤ ካብቲ መሶብ ከዓ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብሮ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል።</verse>
				<verse number="21">ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="23">“ንደቂ እስራኤል እንትትባርኽዎም ከምዙይ በልዎም ኢልካ ንኣሮንን ንደቁን ንገሮም፦</verse>
				<verse number="24">‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን፤</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ገፁ የብርሀልካ፤ ይራህርሀልካውን።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ገፁ ይምለሰልካ፤ ሰላም ድማ ይሃብካ።’</verse>
				<verse number="27">“ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን።</verse>
				<verse number="2">እቶም ኣሕሉቕ ነገድ ዝኾኑ፥ ሹመኛታት እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ቍፁራት ዝነበሩን ውህብቶ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="3">ውህብቶኦም ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላታትን ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ ናብ ቅድሚ መሕደሪ ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ</verse>
				<verse number="5">“ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ኣብዑርን ወሲዱ ነቶም ሌዋውያን ሃቦም።</verse>
				<verse number="7">ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።</verse>
				<verse number="10">እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="11">እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እቲ ናይ መሰውኢ መባረኺ መባኦም፥ ኣሕሉቕ በብመዓልቶም የቕርቡ” ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="14">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="15">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="16">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="17">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ሹም ደቂ ይሳኮር ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="20">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="21">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="22">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="23">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥ ሹም ደቂ ዛብሎን ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="26">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="27">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="28">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="29">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="32">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="33">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="34">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="35">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ፥ ሹም ደቂ ስምኦን ነበረ።</verse>
				<verse number="37">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="38">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="39">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="40">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="41">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="42">ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥ ሹም ደቂ ጋድ ነበረ።</verse>
				<verse number="43">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="44">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="45">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="46">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="47">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="48">ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ሹም ደቂ ኤፍሬም ነበረ።</verse>
				<verse number="49">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="50">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="51">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="52">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="53">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="54">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ።</verse>
				<verse number="55">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="56">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="57">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="58">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="59">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="60">ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ።</verse>
				<verse number="61">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="62">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="63">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="64">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="65">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="66">ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ።</verse>
				<verse number="67">ንሱ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="68">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="69">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="70">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥</verse>
				<verse number="71">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="72">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ።</verse>
				<verse number="73">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="74">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="75">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="76">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="77">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ፋግኤል ወዲ ዖክራን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="78">ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣኪሬ ወዲ ዔናን፥ ሹም ደቂ ንፍታሌም ነበረ።</verse>
				<verse number="79">ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥</verse>
				<verse number="80">ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥</verse>
				<verse number="81">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥</verse>
				<verse number="82">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥</verse>
				<verse number="83">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="84">በታ መሰውኢ ዝተቐብአላ መዓልቲ ሹመኛታት እስራኤል ንመቐደሲኡ ክኸውን ዘቕረብዎ መባእ ኸምዙይ እዩ፦ ዓሰርተ ኽልተ ፃሕሊ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ።</verse>
				<verse number="85">ሓደ ፃሕሊ ብሩር ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም፥ ሓደ ውንጭሕቲ፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሉ ኣቑሑ ብሩር ብሚዛን መቕደስ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ነበረ።</verse>
				<verse number="86">እተን ዕጣን ዝመልኣ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ ነንፅዋዕ ብሚዛን መቕደስ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝምዘና ነበራ። ኵለን እተን ፅዋዓት ወርቂ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ኮና።</verse>
				<verse number="87">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="88">ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ።</verse>
				<verse number="89">ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”</verse>
				<verse number="3">ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን።</verse>
				<verse number="4">እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="6">“ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ወሲድካ ኣንፅሃዮም።</verse>
				<verse number="7">ከምዙይ ጌርካ ኣንፅሃዮም፦ እቲ ሓጢኣት ዘንፅህ ማይ ንፀገሎም፤ ኵሉ ሰብነቶም ይላፀዩ፤ ክዳውንቶምውን ይሕፀቡ፤ ይንፅሁውን።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪዙይ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ናይ እኽሊ መስዋእትን ይውሰዱ። ንስኻ ኸዓ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኻልእ ዝራብዕ ውሰድ።</verse>
				<verse number="9">ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልውን ኣክቦ።</verse>
				<verse number="10">ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኣቶም የንብሩሎም።</verse>
				<verse number="11">ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፥ ንስራሕ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ድልዋት ምእንቲ ክኾኑ፥ ደቂ እስራኤል ዝውፍይዎ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ናብ እግዚኣብሄር የቕርቦም።</verse>
				<verse number="12">“ሌዋውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት ኣእዳዎም የንብሩ፤ ንሌዋውያን ምእንቲ መስተስረዪ ኸዓ፥ እቲ ሓደ ንሓጢኣት መስዋእቲ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="13">ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም።</verse>
				<verse number="14">ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።”</verse>
				<verse number="15">ድሕሪዙይ “ንሌዋውያን ምስ ኣንፃህኻዮምን፥ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ምስ ወፈኻዮምን፥ ንኣይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእተዉ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም።</verse>
				<verse number="18">ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል ከዓ ንሌዋውያን ወሲደ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="20">ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም።</verse>
				<verse number="21">ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ከምኡ ገበሩሎም።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="24">“ሕጊ ሌዋውያን እዙይ እዩ፦ ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ይእተዉ።</verse>
				<verse number="25">ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="6">ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥</verse>
				<verse number="7">“ንሕና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸስና ሰባት ኢና፤ በታ ምድብቲ ጊዜ ምስ ደቂ እስራኤል ኴንና እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ ከይነቕርብ ዝተኸልከልና ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="10">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ትውልድኹም ብምኽንያት ምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መንገዲ እንተሎ፥ ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኸብዕል እንተ ደለየ፥</verse>
				<verse number="11">ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኽመሲ እንተሎ የብዕል። ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።</verse>
				<verse number="12">ካብኡ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ሓደኳ ኣየሕድሩ፤ ዓፅሙ ኸዓ ኣይስበሩ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ዝእዝዞውን ፋሲካ ይግበሩ።</verse>
				<verse number="13">ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።</verse>
				<verse number="14">ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="15">በታ እቲ መሕደሪ ዝተተኽለላ መዓልቲ ነቲ ድንኳን ምስክር ደመና ሸፈኖ። ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ድማ ኸም ደመና ሓዊ መሲሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኵልሻዕ ከምኡ ነበረ፤ ብመዓልቲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ እቲ ደመና ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ብሩር ቀጥቂጥካ ኽልተ መለኸት ንኣኻ ስራሕ። ነቲ ማሕበር ንምፅዋዕ፥ ካብ ሰፈሮም ንምጕዓዝ ይኹነልካ።</verse>
				<verse number="3">ክልቲኡ መለኸት እንትንፋሕ፥ ኵሉ ማሕበር እስራኤል ናባኻ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይተኣከቡ።</verse>
				<verse number="4">ሓደ መለኸት ጥራሕ እንትንፋሕ ግና እቶም ሹመኛታት፥ ኣሕሉቕ ዓሌት ደቂ እስራኤል ናባኻ ይተኣከቡ።</verse>
				<verse number="5">መለኸት ብዓብዪ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ድማ ብወገን ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይለዓሉ።</verse>
				<verse number="6">ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ።</verse>
				<verse number="7">እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ።</verse>
				<verse number="8">“እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”</verse>
				<verse number="11">ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸምዙይ ኮነ፥ እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተልዓለ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ይሳኮር ከዓ ናትናኤል ወዲ ሶገር ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከዓ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሰዳይ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤሊሳፍ ወዲ ራጉኤል ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ቀዓታውያን ድማ ኣቑሑ መቕደስ ፆይሮም ተጕዓዙ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝመፁ ኸዓ እቲኣቶም ነቲ ድንኳን ተኸልዎ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ኤክራን ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከዓ ኣኪሬ ወዲ ዔናን ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ክጕዓዙ እንተለዉ በዝ ኸምዙይ ተጕዓዙ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ድማ፥ “ኣይከይድን፤ ናብ ሃገረይን ናብ ህዝበይን ክኸይድ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ሙሴ ኸዓ “በይዛኻ ኣይትሕደገና፤ ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒውን ክትኮነልና ኢኻሞ ኣይትሕደገና፤</verse>
				<verse number="32">ምሳና እንተ ኼድካ፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝገብረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ንኣኻ ኽንገብረልካ ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ካብ እምባ እግዚኣብሄር ተልዒሎም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዓዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም በተን ሰለስተ መዓልቲ እቲኣተን ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="35">ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ታቦት ክዓርፍ እንተሎ ኸዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ናብቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ እስራኤል ተመለስ” ይብል ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ ምስ ኣእወዩ፥ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ጠፍአ።</verse>
				<verse number="3">ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኣቶም ስለ ዝነደደ ድማ፥ እታ ቦታ እቲኣ ተቤራ ተብሃለት።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣብ ግብፂ ብኸምኡ እንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፥ ዱባ፥ ብርጭቕ፥ ዝኩኒ፥ ቀይሕ ሽጕርቲ፥ ፃዕዳ ሽጕርቲ ይዝከረና ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና ሰብነትና ነቐፀ፤ ዓይንናውን ብዘይ እዝ መና እዙይ ዝሪኦ የለን” በሉ።</verse>
				<verse number="7">እቲ መና ኸዓ ኸም ፍረ ፃቕዳ ነበረ፤ ትርኢቱ ድማ ኸም ትርኢት እንዳዲዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ እንትወርድ፥ መና ኸዓ ኣብልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ሙሴ ድማ፥ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኖም እንትበኽዩ ሰምዐ። ቍጥዓ እግዚአብሔር ከዓ የመና ነደደ፤ ሙሴውን ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="11">ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ንኣይ ንባርያኻ ኣኽበድካለይ? ሸኽሚ እዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣብ ርእሰይ ዘንበርካ? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ?</verse>
				<verse number="12">‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድመይ እናበኸዩ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ዝህቦ ስጋኸ ኻበይ ክረክብ እየ?</verse>
				<verse number="14">ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ፥ ኣነ በይነይ ክፆሮ ኣይክእልን እየ እሞ፥ እምብዛ ኸቢዱኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።</verse>
				<verse number="17">ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።</verse>
				<verse number="18">“ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ፅባሕ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ ንፅሁ፤ እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? ኣብ ግብፂ ፅቡቕ ነበርና፤ እናበልኩም ብምብካይ ዘጕረምረምኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ፤ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ኽትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19">ሓደ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኮነን እትበልዑ፤</verse>
				<verse number="20">ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሙሴ ኸዓ፥ “እዝ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር እዩ። ንስኻ ኸዓ ‘ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="22">ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን እንተ ዝሕረዳ ምኣኸላኦምዶ? ዅሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዝእከብከ መፅገቦምዶ?” በለ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢደይ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓፃር እያ? እቲ ዝብሎ ዝፍፀም እንተ ኾይኑ ወይ ዘይፍፀም እንተ ኾይኑ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ድማ ወፂኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።</verse>
				<verse number="26">ኤልዳድን ሞዳድን ዝበሃሉ ኽልተ ሰብኡት፥ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ንሳቶም ካብቶም ዝተፅሓፉ ነበሩ፤ ናብ ድንኳን ግና ኣይኸዱን ነበሩ፤ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ኣብ ሰፈር እንተለዉ ኸዓ ትንቢት ተናገሩ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፥ “ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ግና “ንኣይ ዲኻ ቐኒእኻ? እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንተ ዘንብር፥ ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ነቢያት እንተ ዝኾኑሞ መን ምሃበ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ሙሴን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ናብ ሰፈር ተመለሱ።</verse>
				<verse number="31">ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወፀ፤ ካብ ባሕሪ ኸዓ ብርንሂጎታት ኣምፂኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዙይ፥ መንገዲ መዓልቲ ዝኣክል ድማ በቱይ፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር በተኖም፤ ምብራኹ ኸዓ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ መዓልትን ለይትን፥ ንፅባሒቱውን ምሉእ መዓልቲ ብርንሂጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዝኣከበ፥ ዓሰርተ ዅንታል ኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ድማ ሰጥሕወን።</verse>
				<verse number="33">እቲ ስጋ ገና ኣብ ኵርምቶም እንተሎ እንተይሓየኽዎ ኸዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ነደደ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ወቕዐ።</verse>
				<verse number="34">ነቶም ህርፋን ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፥ እታ ቦታ እቲኣ “መቓብር ህርፋን” ተብሃለት።</verse>
				<verse number="35">እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ “መቓብር ህርፋን” ናብ ሓፄሮት ተጕዓዙ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰፈሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="2">“እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራሕ ድዩ ዝተዛረበ? ብኣናስ ኣይተዛረበን ድዩ?” እናበሉውን ተዛረቡ። ነዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ሰምዖ።</verse>
				<verse number="3">ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን “ሰለስቲኹም ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ውፁ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ወፁ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ናብ ዘረባይ ኣድምፁ፦ ኣብ ማእኸልኩም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለፀሉ፤ ወይ ከዓ ብሕልሚ እዛረቦ።</verse>
				<verse number="7">ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ተቘጢዑ ሓደጎም።</verse>
				<verse number="10">እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣግለሰ፤ እንሆ ኸዓ ንማርያም ለምፂ ሓዛ፤ ከም በረድውን ፃዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ግልፅ በለ፤ እንሆ ኸዓ ሕማም ለምፂ ሒዝዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኣሮን ንሙሴ “ጐይታይ! ነቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮ በደል በይዛኻ ኣይትቝፀረልና።</verse>
				<verse number="12">ንማርያም ከዓ ብምዉቱ ኸም ዝተወልደ፥ ካብ ከርሲ እኖኡ ኽወፅእ እንተሎ ፍርቂ ሰብነቱ ኸም ዝተበልዐ ኽትከውን ኣይትሕደጋ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ድማ “ኦ ኣምላኽ፥ ክተሕውያ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንቱፍ ኢሉላ እንተ ዝኸውን፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትተዓፆ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሰፈር ትእቶ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ማርያም ድማ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተዓፀወት። እቲ ህዝቢ ኸዓ ማርያም ክሳዕ እትምለስ፥ ኣይተጕዓዘን።</verse>
				<verse number="16">ብድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓፀሮት ተልዒሉ ተጕዓዘ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ድማ ሰፈረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ</verse>
				<verse number="2">“ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብ ምድረ በዳ ፋራን ሰደዶም። ንሳቶም ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ስማቶም ከዓ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፥ ሰሙኤል ወዲ ዛኩር፥</verse>
				<verse number="5">ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰፈጥ ወዲ ሱሬ፥</verse>
				<verse number="6">ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ፥</verse>
				<verse number="7">ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፥</verse>
				<verse number="8">ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥</verse>
				<verse number="9">ካብ ነገድ ብንያም፥ ፈልጢ ወዲ ራፉ፥</verse>
				<verse number="10">ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ጉዲኤል ወዲ ሰዲ፥</verse>
				<verse number="11">ካብ ነገድ ዮሴፍ፥ ንሱውን ካብ ነገድ ምናሴ፥ ጋዲ ወዲ ሱሲ፥</verse>
				<verse number="12">ካብ ነገድ ዳን፥ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፥</verse>
				<verse number="13">ካብ ነገድ ኣሴር፥ ስቱር ወዲ ሚካኤል፥</verse>
				<verse number="14">ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፥</verse>
				<verse number="15">ካብ ነገድ ጋድ፥ ጉዲኤል ወዲ ማኪ።</verse>
				<verse number="16">ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="17">ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ።</verse>
				<verse number="18">እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥</verse>
				<verse number="19">እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥</verse>
				<verse number="20">እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ።</verse>
				<verse number="22">ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት።</verse>
				<verse number="23">ናብ ለሰ ኤሽኮል ከዓ በፅሑ፤ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪፆም፥ ክልተ ኾይኖም ብመፆሪ ፆርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስንውን ተማልኡ።</verse>
				<verse number="24">እታ ቦታ እቲኣ፥ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዘለላ ወይኒ ስለ ዝቘረፁ፥ ለሰ ኤሽኮል ተብሃለት።</verse>
				<verse number="25">እቶም ሰለልቲ ነታ ምድሪ ሰልዮም፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="26">ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።</verse>
				<verse number="27">ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና።</verse>
				<verse number="29">ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="30">ካሌብ ከዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ስዒርና፥ ነታ ምድሪ ኽንሕዛ ንኽእል ኢና እሞ፥ ደዪብና ደኣ ንሓዛ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦም።</verse>
				<verse number="31">እቶም ምስ ካሌብ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና “እቶም ህዝቢ ኻባና ዝሕይሉ ስለ ዝኾኑ፥ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።</verse>
				<verse number="32">ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ክፉእ ነገር ነገርዎም፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፥ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ። እቶም ኣብኣ ዝረአናዮም ኵሎም ህዝቢ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።</verse>
				<verse number="33">ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?</verse>
				<verse number="3">ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?”</verse>
				<verse number="4">ንስንሳቶም ከዓ “ሓለቓ ሼምና ናብ ግብፂ ንመለስ” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ማሕበር ደቂ እስራኤል ብገፆም ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="6">ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ።</verse>
				<verse number="7">ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸእትወና እዩ፤ ንኣኣውን ክህበና እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?</verse>
				<verse number="12">ፌራ ሰዲደ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ኻብኣቶም ንዝዓብን ንዝብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="14">ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ኸዓ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንዅሎም ብሓደ ጊዜ እንተ ኣጥፋእኻዮም፥ ሽዑ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፥</verse>
				<verse number="16">‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።</verse>
				<verse number="17">“ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር።</verse>
				<verse number="18">ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ብዙሕን ዘይውዳእን ምሕረት ዘለካ ኢኻ። በደልን ሓጢኣትን ይቕረ እትብል፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ እትቐፅዕ እምበር፥ ንበዳሊ እንተይቀፃዕኻ ኣይትሓድጎን ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ነዝ ህዝቢ እዙይ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ሒዝካ ኽሳዕ ኣብዙይ ይቕረ ዝበልካሉ፥ ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።”</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከምቲ ዝለመንካዮ ይቕረ ኢለሉ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥</verse>
				<verse number="22">ኵሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፥ ድሮ እኳ ዓሰርተ ሻዕ ስለ ዝፈተኑኒ ቓለይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑ፥</verse>
				<verse number="23">ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ኣብቲ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፅባሕ ተመሊስኩም ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ ምድረ በዳ ተጕዓዙ።”</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="27">“ክሳዕ መኣዝ እዩ እዝ ሕሱም ህዝቢ እዙይ ዘጕረምርመለይ? እቲ እዞም መጕረምረምቲ ደቂ እስራኤል ዘዕዘምዝምዎ ዘለዉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">እምበኣር ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምቲ ኣብ እዝነይ ዝተዛረብኩምዎ፥ ከምኡ ኽገብረኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="29">ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">ነቶም ምርኮ ክኾኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ናብታ ምድሪ ኸእትዎም እየ፤ ነታ ንስኻትኩም ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ድማ ኽወርስዋ እዮም።</verse>
				<verse number="32">ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="33">ደቅኹም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኣርብዓ ዓመት ኮለል ክብሉ እዮም፤ ሬሳታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ኽሳዕ ዝጠፍእ ኸዓ ምንዝርናኹም ክፆሩ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="35">ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣቱም ብሓደ ሓቢርኩም ኣባይ ተልዒልኩም ዘለኹም ሕሱማት ማሕበር፥ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ እዮም፤ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።”</verse>
				<verse number="36">እቶም ምድሪ ኽስልሉ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም፥ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸም ዘጕረምርም ዝገበርዎ፥</verse>
				<verse number="37">እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።</verse>
				<verse number="38">ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ።</verse>
				<verse number="39">ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ።</verse>
				<verse number="40">ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።</verse>
				<verse number="41">ሙሴ ግና፦ “ስለ ምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እዙይ ድማ ኣይጠቕመኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="42">እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም የለንሞ፥ ብፀላእትኹም ከይትሰዓሩ ኣይትደይቡ።</verse>
				<verse number="43">ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ክገጥሙኹም እዮም እሞ ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽታል ስለ ዝተመለስኩም እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="44">ንሳቶም ግና ናብ እምባ ኽድይቡ ደፈሩ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን ሙሴን ግና ኻብ ሰፈር ኣይተልዓሉን።</verse>
				<verse number="45">እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="4">እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።</verse>
				<verse number="5">ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ።</verse>
				<verse number="6">ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።</verse>
				<verse number="7">ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ድማ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ወይኒ የቕርብ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ገይሩ የቕርቦ።</verse>
				<verse number="8">ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥</verse>
				<verse number="9">ምስኡ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብኽልተ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="10">ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ።</verse>
				<verse number="12">ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር።</verse>
				<verse number="14">ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።</verse>
				<verse number="15">ኣብታ ማሕበር፥ ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ስርዓት ይኹን። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓናን ንስኻትኩምን ማዕረ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="18">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥</verse>
				<verse number="19">እንጀራ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ምስ ጀመርኩም፥ ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መባእ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዝለዓል መስዋእቲ እተቕርብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ዝለዓል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ዝለዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ።</verse>
				<verse number="22">ካብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት ብዘይ ምፍላጥ እንተ ጠሓስኩም፥</verse>
				<verse number="23">ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥</verse>
				<verse number="24">ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።</verse>
				<verse number="25">እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ።</verse>
				<verse number="26">ብዘይ ፍልጠት ዝተገብረ በደል ስለ ዝኾነ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ስለ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ዓመት ዝገበረት ኣንስተይቲ ጤል የቕርብ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ብጌጋ፥ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ኽሕደገሉ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ነቲ ወዲ ዓዲ ዝኾነ እስራኤላውን ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።</verse>
				<verse number="30">ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።</verse>
				<verse number="31">ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፥ ትእዛዛቱውን ኣፍሪሱ እዩ እሞ፥ ንሱ ፈፂሙ ይወገድ፤ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ደቂ እስራኤል ገና ኣብ ምድረ በዳ እንተለዉ፥ ሓደ ሰብ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንፀይቲ እናኣረየ ረኸቡ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ዕንፀይቲ እናኣረየ ዝረኸብዎ ኸዓ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሉ ማሕበርን ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="34">እንታይ ከም ዝገብርዎ ስለ ዘይፈለጡ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ሰብ እቱይ ይሙት፤ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="36">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="37">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="38">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንትኹም ዘፈር ግበሩ፤ ኣብ ኵሉ እቲ ዘፈር ከዓ ሰማያዊ ፈትሊ ቕወዱሉ።</verse>
				<verse number="39">እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ንዅሉ ትእዛዛት ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኹም። ንኣይ ንኣምላኽኩም ከዓ ቅዱሳን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="41">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፥ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥</verse>
				<verse number="2">ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ብግንባሩ ተደፍአ።</verse>
				<verse number="5">ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤</verse>
				<verse number="7">ፅባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊን ዕጣንን ግበሩሉ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ፤ ኢሉ ተናገሮም።”</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ኸዓ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ?</verse>
				<verse number="10">ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም?</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?”</verse>
				<verse number="12">ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቤሮንን፥ ደቂ ኤልያብ፥ ክፅውዑሉ ለኣኸ። ንሳቶም ከዓ “ኣይንመፅእን!</verse>
				<verse number="13">ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="14">ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሙሴ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ንስኻን እቶም ኵሎም ወገናትካን፥ ኣሮንውን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምፁ።</verse>
				<verse number="17">ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፤ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፤ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ፅንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፤ ንስኻን ኣሮንን ድማ ነናትኩም ፅንሃህ ኣምፅኡ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ወሰደ፤ ሓዊን ዕጣንን ድማ ገበረሉ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በሉ።</verse>
				<verse number="19">ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፥</verse>
				<verse number="21">“ካብዝ ጉባኤ እዙይ ተፈለዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ</verse>
				<verse number="24">“ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="26">ነቶም ህዝቢ ኸዓ “በይዛኻትኩም ካብ ድንኳናት እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ረሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸዓ ናቶም ዝኾነ ኣይትንክኡ” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ንሳቶም ከዓ ኻብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ። ዳታንን ኣቤሮንን ግና ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ህፃናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="29">እንተ ደኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ ሞይቶም፤ ወይ ንዅሉ ሰብ ከም ዝበፅሖ እንተ ተቀሰፉ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ።</verse>
				<verse number="31">እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት።</verse>
				<verse number="32">ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ።</verse>
				<verse number="34">ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="35">ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="37">“ንኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ‘እቲ ፅንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፥ ካብቲ ነዳዲ ኣውፅአዮ፤ ነቲ ሓዊ ኸዓ ናብ ወፃኢ ደርብዮ’ በሎ።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”</verse>
				<verse number="39">ካህን ኣልኣዛር ከዓ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ፅንሃሃት ነሃስ ወሰዶ፤ ንመለበጢ መሰውኢ ክኸውን ከዓ ቐጥቂጡ ኣርቀቖ።</verse>
				<verse number="40">ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።</verse>
				<verse number="41">ንፅባሒቱ ድማ ዅሉ እቲ ማሕበር፦ “ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልክምዎ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="42">እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ።</verse>
				<verse number="43">ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን መፁ።</verse>
				<verse number="44">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ</verse>
				<verse number="45">“ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="46">ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="47">ኣሮን ከዓ፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፥ ፅንሃህ ወሰደ፤ ናብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ድማ ጐየየ። እንሆ ኸዓ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፤ ኣሮን ግና ዕጣን ገይሩ ነቲ ህዝቢ ኣስተስረየሉ።</verse>
				<verse number="48">ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ።</verse>
				<verse number="49">ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="50">ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ፥ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተመለሰ፤ እቲ መዓትውን ተኸልከለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦</verse>
				<verse number="2">“ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ።</verse>
				<verse number="3">ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።</verse>
				<verse number="4">ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን።</verse>
				<verse number="5">በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፤ ኵሎም ሹመኛታቶም ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣብትርቲ ሃብዎ። እተን ኣብትርቲ ኸዓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ ነበራ። በትሪ ኣሮን ድማ ኣብ ማእኸል ኣብትርቶም ነበረት።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።</verse>
				<verse number="8">ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ኸዓ ንዅለን ኣብትርቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣውፂኡ ናብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣምፅአን፤ ሪኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ “እንሆ ሞትና፥ ጠፋእና፥ ኵልና ጠፋእና።</verse>
				<verse number="13">ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝቐረበ ዅሉ ይመውት ኣሎ፤ ኵልናዶ ኽንጠፍእ ኢና?” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="2">ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።</verse>
				<verse number="5">“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ብልዓዮ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።”</verse>
				<verse number="11">“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”</verse>
				<verse number="12">“ካብቲ ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት፥ ካብ ዘይቲ፥ ካብ ወይኒ፥ ካብ እኽሊ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ እቲ ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንኣኻ ይኹን። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”</verse>
				<verse number="14">“ኵሉ ኣብ እስራኤል ዝተሓረመ ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር ይኸውን፤ ንሱውን ዕስራ ኣቦሊ እዩ።”</verse>
				<verse number="17">“በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ።</verse>
				<verse number="18">ስጋኦም ንኣኻ ይኹን። ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝወዝ መስዋእትን የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ዅሉ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ቅዱስ ዝኾነ ፍሉይ መስዋእቲ፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነጓላትካን፥ ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝነብር ኪዳን ጨው እዩ።”</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="21">“ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይቕረቡ። እንተ ቐረቡ ግና ብሰንኪ ሓጢኣቶም ክሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ።</verse>
				<verse number="24">‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።”</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="26">ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ።</verse>
				<verse number="27">እዝ ዝለዓል መስዋእትኹም ድማ ኸምቲ ሓረስታይ ካብ ዓውዱ ዘቕርቦ ስርናይን ካብ መፅመቚ ወይኑ ዘቕርቦ ወይንን ክቝፀረልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ኻብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዓስራትኩም ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መስዋእቲ ኣቕርቡለይ፤ ካብኡ እቲ ፍሉይ መስዋእተይ ንኻህን ኣሮን ሃብዎ።</verse>
				<verse number="29">ፍሉይ መስዋእቲ ኽተቕርቡለይ እንተለኹም ካብቲ ዝተውሃበኩም እቲ ዝበለፀ ኣቕርቡለይ።</verse>
				<verse number="30">ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ እቲ ዝበለፀ ምስ ኣቕረብኩም፥ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መፅመቝን ይቝፀረሎም።</verse>
				<verse number="31">ናይቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እተገልግልዎ መተሓዳደሪኹም ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="32">ካብኡ እቲ ዝበለፀ ንእግዚኣብሄር ምስ ኣልዓልኩም ሓጢኣት ኣይትስከሙን ኢኹም። ከይትሞቱ ኸዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኣይተርክስዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">“እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሕግን ትእዛዝን እዙይ እዩ፦ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዘይብላ፥ በርዑት ተቘሪና ዘይትፈልጥ ቀያሕ ዓርሒ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ንገሮም።</verse>
				<verse number="3">ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።</verse>
				<verse number="4">ካህን ኣልኣዛር ከዓ ኻብቲ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ብወገን ቅድሚቱ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ።</verse>
				<verse number="5">እታ ዓርሒ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ትቃፀል።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻህን ድማ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፥ ናብ ማእኸል እታ ዓርሒ እትቃፀለሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻህን ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ብድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዘቃፀላ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="9">“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።</verse>
				<verse number="10">ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ዝነብር ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="11">“ኵሉ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="12">ንሱ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን ሻውዐይቲ መዓልትን ብማይ ተሓፂቡ ይንፃህ፤ ሽዑ ኸዓ ይነፅህ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነፅሀ ግና በታ ሻውዐይቲውን ኣይነፅህን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">“ሰብ ኣብ ድንኳኑ እንተ ሞተ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣስረ መኽደን ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="16">“ኣብ በረኻ ብሰይፊ ዝተቐትለ ወይ ብሕማም ዝሞተ ወይ ዓፅሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="17">“ነቲ ርኽሰት ንምንፃህ ድማ ኻብ ሓሙዅሽቲ እታ ኽንዲ ሓጢኣት ዝተቓፀለት ዓርሒ ይውሰዱ፤ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሙዅሽቲ ፅሩይ ማይ የፍስሱሉ።</verse>
				<verse number="18">ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ዝረኸሰ ሰብ እንተ ዘይነፅሀ ግና፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ማእኸል እቲ ማሕበር ይጥፋእ። ማይ ምንፃህ ስለ ዘይተነፀጎውን ርኹስ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹነልኩም። “እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።</verse>
				<verse number="22">ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና!</verse>
				<verse number="4">ስለ ምንታይ ንኣና ንህዝቢ እግዚኣብሄር ናብዝ ምድረ በዳ እዙይ ኣምፃእኹምና? ንሕናን ከፍትናን ኣብዙይ ምእንቲ ኽንመውት ድዩ?</verse>
				<verse number="5">ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኽተእትዉና ኢልኩም ዲኹም ካብ ግብፂ ዘውፃእኹምና? እኽሊ ኾነ በለስ፥ ወይኒ ኾነ ሮማን የብላን፤ ዝስተ ማይውን የብላን።”</verse>
				<verse number="6">ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ</verse>
				<verse number="8">“ነታ በትሪ ውሰዳ፤ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከዓ ነቲ ማሕበር ኣክብዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ነቲ ኰዅሒ ማይ ከፈልፍል ኣዝዝዎ፤ ንስኻውን ካብቲ ኰዅሒ ማይ ኣፈልፍለሎም፤ ነቲ ህዝብን ንኸፍቶምን ከዓ ኣስትዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ።</verse>
				<verse number="10">ምስ ኣሮን ኮይኑ ድማ ነቲ ማሕበር ኣብ መንፀር እቲ ኰዅሒ ኣኪቡ፥ “ኣቱም ዓመፀኛታት፥ እስኪ ስምዑ፤ ካብዝ ኰዅሒ እዙይዶ ማይ ክነፈልፍለልኩም?” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኰዅሒ ብበትሩ ኽልተ ሻዕ ወቕዖ፤ ብዙሕ ማይ ከዓ ፈልፈለ፤ እቶም ማሕበርን ከፍቶምን ድማ ሰተዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ኣብኡ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር ዝተጓየቝሉ ንሱውን ቅዱስ ምዃኑ ዝገለፀሉ፥ እዙይ ማይ መሪባ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="15">ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና።</verse>
				<verse number="16">ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእወና ግና፥ ንሱ ኣውያትና ሰምዐ፤ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና። “እንሆ ኸዓ ንሕና ኣብ ወሰን ግዝኣትካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቓዴስ ኣለና።</verse>
				<verse number="17">በይዛኻ! ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ብገራሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፤ ማይ ዒላውን ኣይንሰትን፤ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይነግልስን ኢና።”</verse>
				<verse number="18">ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ደቂ እስራኤል ከዓ “ብጐደና ኢና እንሓልፍ፤ ንሕናን ከፍትናን ካብ ማይካ እንተ ሰተና ድማ ዋጋኡ ንኸፍል። ንእግርና ጥራሕ ኢና እንሓልፍ እምበር እንደልዮ የብልናን” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ኤዶምያስ ድማ “ኣይትሓልፉን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኸዓ ብዙሕን ሓያልን ሰራዊት ሒዞም ክወግእዎም ወፁ። በዝ ኸምዙይ ኤዶማውያን ንእስራኤል ብግዝኣቶም ምሕላፍ ምስ ከልእዎም፥ እስራኤላውያን ካብኡ ኣግለሱ።</verse>
				<verse number="22">ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ቃዴስ ተጕዒዞም ናብ እምባ ሆር መፁ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ እምባ ሆር፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ፥ ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="24">“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም።</verse>
				<verse number="26">ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”</verse>
				<verse number="27">ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር እናረአዮምውን ናብ እምባ ሆር ደየቡ።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ ድማ ንኣልባስ ኣሮን ኣውፂኡ ንወዱ ኣልኣዛር ኣልበሶ። ኣሮን ከዓ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ኻብቲ እምባ ወረዱ።</verse>
				<verse number="29">ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ኣራድ ንጉስ፥ ደቂ እስራኤል ብመንገዲ ኣታሪም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዐ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግአ፤ ካብኣቶም ከዓ ውሑዳት ምርኮ ማረኸ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ደቂ እስራኤል “ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ኢድና ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካናስ፥ ንኸተማታቶም ሕርሚ ኢልና ኽንድምስሰን ኢና” ኢሎም ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ተመባፅዑ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ድማ ቓል ደቂ እስራኤል ሰምዐ፤ ንከነዓናውያን ከዓ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ወቒዖም ደምሰስዎም። ነታ ኸተማ ድማ “ሔርማ”፥ ኢሎም ሰመይዋ።</verse>
				<verse number="4">ንምድሪ ኤዶምያስ ርሒቖም ክዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተልዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጕዓዙ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ካብ መንገዲ ዝተልዓለ ደኸሙ።</verse>
				<verse number="5">“እቲ ህዝቢ ድማ፥ ኣብዙይ እንጀራ የለን፤ ማይውን የለን፤ ነዝ ቐሊል ምግቢ ኸዓ ነፍስና መንያቶ እያ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኽንመውትከ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹምና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከዓ ኣትማን ናብቶም ህዝቢ ሰደደ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ነኸስዎም፤ ካብ እስራኤል ከዓ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፦ “ምስሊ ተመን ብነሃስ ግበር፤ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኵሉ ዝተነኸሰ ናብኡ እንተ ጠመተ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ኸዓ ኻብ ነሃስ ተመን ገበረ፤ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኸሰ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ተመን ነሃስ እንተ ጠመተ ይሓዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ደቂ እስራኤል ተጕዒዞም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ኦቦት ተጕዒዞም ድማ፥ ኣብ መንፅር ሞኣብ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ ኣብ ዒዬዓባሪም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="12">ካብኡ ተጕዒዞም ከዓ፥ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="13">ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይውን እዩ ኣብ መፅሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ከምዙይ ተብሂሉ ዘሎ፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋ፥ ለሰታት ኣርኖንውን</verse>
				<verse number="15">ናብቲ ዔር ዘላቶ፥ ቍልቍለት ለሰታት ድማ ናብ ወሰን ሞኣብ ዝፅጋዕ እዩ።”</verse>
				<verse number="16">ካብኡ ድማ፥ ናብ ቤዔር ተጕዓዙ። እዛ ዒላ እዚኣ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፤ ኣነውን ማይ ክህቦ እየ” ዝበሎ ዒላ እያ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምዙይ እናበሉ መዝሙር ዘመሩ፦ “ኣታ ዒላ፥ ማይካ ፈልፍል፤ ንስኻትኩም ከዓ ዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ሹመኛታት ዝዀዓትዎ፥ ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ ዘዕመቝዎ፥ እወ፥ ነቲ መሳፍንቲ ህዝቢ ብዘንጊ መንግስቶምን ኣባትሮምን ዘጐድጐድዎ ዒላ ዘምሩሉ።” ሽዑ ኻብ ምድረ በዳ ተጕዒዞም ናብ ማታና፥</verse>
				<verse number="19">ካብ ማታና ናብ ናሓሊኤል፥ ካብ ናሓሊኤል ናብ ባሞት፥</verse>
				<verse number="20">ካብ ባሞት ከዓ ናብቲ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ ዝርኢ ርእሲ እምባ ፊስጋ፥ ናብ በረኻ ሞኣብ ዘሎ ለሰ ተጕዓዙ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦</verse>
				<verse number="22">“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ናብ ገራሁን ናብ ወይንን እንተየግለስና፥ ማይ ዒላውን እንተይሰተና፥ ግዝኣትካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ክንከይድ ኢና” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱ።</verse>
				<verse number="23">ሴዎን ግና እስራኤላውያን ብግዝኣቱ ኽሓልፉ ስለ ዘይፈቐደ ዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤላውያን ክወግኦም ናብ በረኻ ወፀ፤ ናብ ያሃፅ መፂኡ ኸዓ ምስ እስራኤል ተዋግአ።</verse>
				<verse number="24">ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ደቂ እስራኤል ድማ ንዅለን ከተማታት ኣሞራውያን ሓዝወን፤ ንሓሴቦንውን ምስ ኵለን ከባቢኣ ሓዝዋ፤ ኣብኣተንውን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="26">ሓሴቦን ርእሲ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እያ። ንሱ ምስቲ ቕድም ንጉስ ሞኣብ ዝነበረ ተዋጊኡ ንዅላ ምድሩ ኽሳዕ ፈለግ ኣርኖን ዝሓዘ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ሰብ ብግጥሚ ኸምዙይ ዝበሉ፦ “ናብ ሓሴቦን ንዑ፤ ንሳ ትተሃነፅ፤ ከተማ ሴዎንውን ትተሓደስ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ፤ ካብ ከተማ ሴዎን ድማ ሃልሃልታ፥ ንሱ ንኸተማ ዔር ናይ ሞኣብን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም።</verse>
				<verse number="29">ሞኣብ ወይለኻ፤ ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤ ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥ ኣዋልዱ ንምርኮ፥ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="30">ንሕና ወርወርናሎም፤ ሓሴቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኣ፤ ክሳዕ ኖፋሕ፥ ክሳዕ ሜድባ ኣፍረስናዮም።”</verse>
				<verse number="31">በዝ ኸምዙይ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="32">ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን።</verse>
				<verse number="33">ተመሊሶም ድማ ብመንገዲ ባሳን ኣቢሎም ደየቡ። ኣግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ ኣብ ኤድራይ ክዋግኦም ወፀ።</verse>
				<verse number="34">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንእኡን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድሩን፥ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ግበሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ሰራዊቱን፥ ሓደኳ እንተየትረፉ ወድእዎም፤ ንምድሩ ድማ ወረሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ኢያሪኮ ተጕዒዞም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="2">ባላቅ ወዲ ሴፎር ድማ፥ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዅሉ ረአየ።</verse>
				<verse number="3">ሞኣባውያን ከዓ፥ ህዝቢ እስራኤል ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፥ ብኣኣቶም የመና ፈርሑ። ሞኣባውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሞኣባውያን ንዓበይቲ ሚድያን “ብዕራይ ሳዕሪ በረኻ ኸም ዝበልዕ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኸምኡ ኽበልዖ እዩ” በልዎም። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር ንጉስ ሞኣብ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ነቲ ኣብ ፋቱራ፥ ጥቓ ሩባ ኣብ ዘላ ዓዱ፥ ተቐሚጡ ንዘሎ በለዓም ወዲ ቢዖር፥ ልኡኻት ሰዲዱ ፀውዖ። “ኣብዙይ ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ኣለዉ፤ ንሳቶም ንገፅ ምድሪ ዝኸድኑ እዮም፤ እንሆ ኣብ ጥቓና ከዓ ሰፊሮም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ምድያምን ድማ ንጥንቍልና ዝኽፈል ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፤ ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ቓል ባላቅ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ “ሎሚ ለይቲ ኣብዙይ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኒ ነገር ከዓ ምላሽ ክህበኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ምስ በለዓም ሓደሩ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="10">በለዓም ከዓ ንእግዚኣብሄር “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥</verse>
				<verse number="11">‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ።</verse>
				<verse number="13">በለዓም ከዓ ኣንጊሁ ተሲኡ ንሹመኛታት ባላቅ “ምሳኻትኩም ከይኸይድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ እሞ፥ ናብ ሃገርኩም ኪዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ተስኡ፤ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከዓ “በለዓም ምሳና ምምፃእ ኣብዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ባላቅ ድማ ኻብኣቶም ዝበዝሑን ዝኸብሩን ካልኦት ሹመኛታት መሊሱ ሰደደ።</verse>
				<verse number="16">ናብ በለዓም ከይዶም ከዓ “ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ‘በይዛኻ፥ ናባይ ካብ ምምፃእ ዝዓግተካ ኣይንበር፤</verse>
				<verse number="17">ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥስ ንስኻትኩምውን በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብዙይ ሕደሩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="21">በለዓም ከዓ ንግሆ ተሲኡ፥ ኣድጉ ፅዒኑ፥ ምስቶም ሹመኛታት ሞኣብ ከደ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ። ንሱ ኣብ ኣድጉ ተቐሚጡ ኽልተ ሓሻኽሩ ኸዓ ምስኡ እናኸዱ እንተለዉ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ።</verse>
				<verse number="23">እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ረአየት፤ ካብ መንገዲ ኣግሊሳ ኸዓ ናብቲ ግራት ኣቢላ ኸደት። በለዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መንገዲ ኽመልሳ ወቕዓ።</verse>
				<verse number="24">መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣብ ዝተነድቀ ፀቢብ መንገዲ ደው በለ።</verse>
				<verse number="25">እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ናብቲ መንደቕ ተፀግዐት፤ ንእግሪ በለዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣላግዐቶ። ንሱ ኸዓ ደጋጊሙ ወቕዓ።</verse>
				<verse number="26">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንቕድሚት ሓሊፉ፥ ንየማን ወይ ንፀጋም መግለሲ ኣብ ዘይብላ መንገዲ፥ ኣብ ፀባብ ቦታ ደው በለ።</verse>
				<verse number="27">እታ ኣድጊ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ሪኣ፥ ኣብ ትሕቲ በለዓም ለጥ በለት። በለዓም ድማ ተናዲዱ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ፤ ንሳ ድማ ንበለዓም፥ “እዝ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻንስ እንታይ ገይረካ እየ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="29">በለዓም ከዓ ነታ ኣድጊ “ስለ ዘላገፅክለይ! አረ ሰይፊ ኣብ ኢደይ እንተ ዝህልወንስ ሕዚ እኳ ምቐተልኩኺ ነይረ” በላ።</verse>
				<verse number="30">እታ ኣድጊ ድማ ንበለዓም “ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንነዊሕ ዘመን ዝተቐመጥካኒ ኣድግኻዶ ኣይኮንኩን? ከምዙይከ ገይረካዶ እፈልጥ እየ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ኣይገበርክን” በላ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በለዓም ከፈተ እሞ፥ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ዝተመዘዘ ሰይፊ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ እንተሎ ረአየ። ብግንባሩ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ድማ ሰገደ።</verse>
				<verse number="32">መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሻዕ ዝወቓዕኻያ? እዛ መንገድኻ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ስለ ዘይኮነት፥ እንሆ፥ ክቃወመካ መፃእኹ።</verse>
				<verse number="33">እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ።</verse>
				<verse number="36">ባላቅ ድማ፥ በለዓም ከም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ናብታ ኣብ ወሰን ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፥ ናብ ጫፍ ወሰን ግዝኣቱ ኸደ።</verse>
				<verse number="37">ባላቅ ድማ ንበለዓም “ቀልጢፍካ ኽትመፅእዶ ኣይለኣኽኩልካን? ስለ ምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመፃእኻ? ክብርኻ ኸዕብዮ ዘይክእልዶ መሲሉካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="38">በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="39">በለዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፤ ናብ ቂርያት ሑፆት ከዓ መፁ።</verse>
				<verse number="40">ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በለዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታትን ስጋ ሰደደ።</verse>
				<verse number="41">ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="3">በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከዓ ንበለዓም ተራኸቦ፤ በለዓም ድማ “ሸውዓተ መሰውኢ ኣሰናድየ፤ ኣብ መመሰውኢ ኸዓ ዝራብዕን ማጕላን ሰዊአ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።</verse>
				<verse number="6">በለዓም ድማ ናብ ባላቅ ተመለሰ። እንሆ ኸዓ፥ ባላቅ ምስ ኵሎም ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ባላቅ ካብ ኣራም፥ ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤ ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤ ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ንዘይረገሞ፥ ከመይ ኢለ ኽረግሞ? እግዚኣብሄር ንዘይተፃልኦ ኸመይ ኢለ ኽፃልኦ?</verse>
				<verse number="9">ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይነ እሪኦ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት ኮይነውን እጥምቶ ኣለኹ። እንሆ፥ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፥ ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ከም ሓመድ ብዙሓት ዝኾኑ ደቂ ያእቆብ መን ክቘፅሮም ይኽእል? ንርብዒ እስራኤልከ መን ይቘፅሮ? ኣነ፥ ሞት ፃድቕ እሙት፤ መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።”</verse>
				<verse number="11">ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="12">በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="13">ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።</verse>
				<verse number="15">በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።</verse>
				<verse number="17">በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?</verse>
				<verse number="20">እንሆ ንኽባርኽ ትእዛዝ ተቐቢለ እየ፤ ንሱ ባሪኹ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኣስማት፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ጥንቘላ፥ ኣይሰርሕን እዩ። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፥ ‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ።</verse>
				<verse number="24">እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ።</verse>
				<verse number="26">በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="27">ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ባላቅ ድማ ንበለዓም፥ ንምድረ በዳ ኣቢሉ ናብ ዘመልክት ናብ ርእሲ እምባ ፌጎር ወሰዶ።</verse>
				<verse number="29">በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ በለዓም ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤</verse>
				<verse number="4">ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤</verse>
				<verse number="5">ኣታ ያእቆብ ድንኳናትካ፥ ኣታ እስራኤል ድማ ማሕደራትካ፥ ክንደይ ይፅብቑ!</verse>
				<verse number="6">ከም ለሰታት ይዝርግሑ፤ ኣብ ገምገም ሩባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ተኽሊ ዕረታት፥ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም።</verse>
				<verse number="7">ካብ ዕትሮኦም ማይ ይፈስስ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፤ ንጉሶም ካብ ኣጋግ ልዕል ልዕል ይብል፤ መንግስቱውን ክትከብር እያ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦ፤ ሓይሉ ኸም ናይ በዓል ሓደ ቀርኒ ሓርሽ እዩ፤ ነቶም ዝፃረርዎ ኣህዛብ ክበልዖም እዩ፤ ነዕፅምቶምውን ክሰባብሮ እዩ፤ ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ።</verse>
				<verse number="9">ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”</verse>
				<verse number="12">በለዓም ከዓ ንባላቅ “ነቶም ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ ‘ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ ቓል እግዚኣብሄር ጥሒሰ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ፥ ከም ድሌተይ ክገብር ኣይክእልን፤ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን?</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።</verse>
				<verse number="16">ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንኤዶምያስ ርስቱ ኽገብር እዩ፤ ፀላኢኡ ሴይርውን ርስቱ ክኸውን እዩ። እስራኤል ከዓ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኽወፅእ እዩ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኸጥፍኦ እዩ።”</verse>
				<verse number="20">ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤ መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”</verse>
				<verse number="21">ናብ ቄናውያን እናረአየ ኸዓ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እትነብሩሉ ፅኑዕ እዩ፤ ገዛኻትኩም ከዓ ኣብ ኰዅሒ ተሰሪሑ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">እንተ ኾነ ኣሶር ክሳዕ ዝማርኸኩም፥ እቲ ቄናዊ ንጥፍኣት ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="23">ምስላኡ ኸዓ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “እግዚኣብሄር ነዙይ ምስ ገበረስ፥ መን ኮን ብህይወት ክነብር እዩ?</verse>
				<verse number="24">ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ክመፃ እየን፤ ንኣሶርን ንዔቤርን ከጨንቓኦም እየን፤ ንሱ ባዕሉውን ክጠፍእ እዩ።”</verse>
				<verse number="25">ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="6">እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ።</verse>
				<verse number="7">ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ምስ ረአዮ፥ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="8">ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ።</verse>
				<verse number="9">እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="11">“ፊንሓስ ወዲ ኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ንቝጥዓይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፤ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ከምቲ ኣነ ቐናእ ዝኾንክዎ ንኽብረይ ቀናእ ስለ ዝኾነ፥ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእኽዎምን።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ንኣምላኹ ቐኒኡ እዩሞ፥ ንደቂ እስራኤልውን ኣተዓሪቑዎም እዩ እሞ፥ ንእኡ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ቃል ኪዳን ክህነት ክኾነሉ እዩ።”</verse>
				<verse number="14">ስም እቲ ምስታ ምድያማዊት ሰበይቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ፥ ዘንበሪ ወዲ ሰሉ፥ ካብ ደቂ ስምኦን፥ ሹም ሓደ ማይ ቤት ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ስም እታ ዝተቐትለት ሚድያማዊት ሰበይቲ ኸዓ ከስቢ ነበረ፤ ንሳውን ጓል ሱር ነበረት። ሱር ኣብ ምድያም ናይ ሓደ ማይ ቤት ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="17">“ንምድያማውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፤</verse>
				<verse number="18">ኣብ ፌጎር ጠቢሮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ፥ ብምኽንያት ከስቢ ሓፍቶም፥ ጓል ሹም ሚድያም፥ በታ ኣብ ፌጎር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ ዝተቐትለትውን፥ ኣታሊሎም ናብ ጭንቂ ኣእትዮሙኹም ነይሮም እዮም እሞ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፦</verse>
				<verse number="2">“ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሉ ናብ ውግእ ክወፅእ ዝኽእል በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቍፀርዎም ኢሉ ተዛረቦም።”</verse>
				<verse number="3">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ፦</verse>
				<verse number="4">“ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይን ነቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዘና፥ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቝፀርዎም” ኢሎም ተዛረቡዎም። እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦</verse>
				<verse number="5">ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥</verse>
				<verse number="6">ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፥ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።</verse>
				<verse number="7">ዓሌታት ሮቤል ብድምር ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።</verse>
				<verse number="8">ኤልያብ ወዲ ፈሉስ እዩ፤</verse>
				<verse number="9">ደቂ ኤልያብ ድማ፥ ነሙኤል፥ ዳታን፥ ኣቤሮን ነበሩ። እቲ ምስ ሰዓብቲ ቆሬ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ምስ ዓመፁ፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተስኡ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቤሮንን እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="10">ነዚኣቶም ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም፤ በቲ ጊዜ እቱይ እታ ሓዊ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝበልዐትላ፥ ምስ ቆሬን ሰዓብቱን ሞቱ፤ ንህዝቢ ድማ መርኣያ መቕፃዕቲ ኾኑ።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ቆሬ ግና ኣይሞቱን።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ነሙኤል ነሙኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ያሚን ያሚናውያን፥ ካብ ዓሌት ያኪን ያኪናውያን፥</verse>
				<verse number="13">ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="15">ደቂ ጋድ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ፅፎን ፅፎናውያን፥ ካብ ዓሌት ሓጊ ሓጋውያን፥ ካብ ዓሌት ሹኒ ሹናውያን፥</verse>
				<verse number="16">ካብ ዓሌት ኦዝኒ ኦዝናውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሪ ኤራውያን፥</verse>
				<verse number="17">ካብ ዓሌት ኣሮድ ኣሮዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኣርኤሊ ኣርኤላውያን።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ጋድ ብድምር ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ይሁዳ፥ ኤርን ኦውናንን እዮም። ኤርን ኦውናንን ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ፋሬስ ድማ፦ ካብ ዓሌት ኤስሮም ኤስሮማውያን፥ ካብ ዓሌት ሓሙል ሓሙላውያን እዮም፤ እዚኣቶም ወገናት ይሁዳ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ደቂ ይሁዳ ብድምር ሰብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ይሳኮር ድማ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቶላ ቶላውያን፥ ካብ ዓሌት ፉዋ ፉዋውያን፥</verse>
				<verse number="24">ካብ ዓሌት ያሱብ ያሱባውያን፥ ካብ ዓሌት ሺምሮን ሺምሮናውያን።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ይሳኮር ብድምር ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="26">ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰረድ ሰረዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሎን ኤሎናውያን፥ ካብ ዓሌት ያሕልኤል ያሕልኤላውያን።</verse>
				<verse number="27">ደቂ ዛብሎን ብድምር ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ካብ ዓሌት ደቂ ምናሴን ኤፍሬምን ዝተወለዱ ዓሌታት ዮሴፍ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦</verse>
				<verse number="29">ደቂ ምናሴ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ማኪር ማኪራውያን፥ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ፤ ካብ ዓሌት ገለዓድ ገለዓዳውያን።</verse>
				<verse number="30">ደቂ ገለዓድ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዓሌት ኢዔዝር ኢዔዝራውያን፥ ካብ ዓሌት ኬሌግ ኬሌጋውያን፥</verse>
				<verse number="31">ካብ ዓሌት ኣስሪኤል ኣስሪኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ሰኬም ሰኬማውያን።</verse>
				<verse number="32">ካብ ዓሌት ሸሚዳ ኸዓ ሸሚዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኦፌር ድማ ኦፌራውያን።</verse>
				<verse number="33">ሰለጰኣድ ወዲ ኤፌር ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማህለህ፥ ኑዓ፥ ኤግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">እዚኣቶም ናይ ምናሴ ወገን እዮም ደቂ ምናሴ ብድምር ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሱቱላ ሱቱላውያን፥ ካብ ዓሌት ቤኬር ቤኬራውያን፥ ካብ ዓሌት ታሓን ታሓናውያን።</verse>
				<verse number="36">ደቂ ሹተላ ኸዓ፥ ካብ ዓሌት ዔዴን ዔዴናውያን።</verse>
				<verse number="37">ደቂ ኤፍሬም ብድምር ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="38">ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቤላ ቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣስቤል ኣስቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣኪራ ኣኪራናውያን።</verse>
				<verse number="39">ካብ ዓሌት ሶፋም ሶፋማውያን።</verse>
				<verse number="40">ደቂ ቤላም፥ ኣርድን ናዕማንን ነበሩ፦ ካብ ዓሌት ኣርድ ኣርዳውያን፥ ካብ ዓሌት ናዕማን ናዕማናውያን።</verse>
				<verse number="41">ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፤ ብድምር ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="42">ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰምዔ ሰምዔያውያን።</verse>
				<verse number="43">ኵሎም ዓሌታት ሰምዔያውያን ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="44">ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ዪምና ዪምናውያን፥ ካብ ዓሌት የሱዋ የሱዋውያን፥ ካብ ዓሌት በሪዓ በሪዓውያን።</verse>
				<verse number="45">ካብ ዓሌት በሪዓ ዝተወለዱ ኸዓ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሔቤር ሔቤራውያን። ካብ ዓሌት መልኪኤል መልኪኤላውያን።</verse>
				<verse number="46">ኣሴር፥ ሳራ እትበሃል ጓል ነበረቶ።</verse>
				<verse number="47">ደቂ ኣሴር ብድምር ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="48">ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ያሕፅኤል ያሕፅኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ጉኒ ጉናውያን፥</verse>
				<verse number="49">ካብ ዓሌት ዬፅር ዬፅራውያን ካብ ዓሌት ሺሌም ሺሌማውያን።</verse>
				<verse number="50">ደቂ ንፍታሌም ብድምር ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።</verse>
				<verse number="51">እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ እስራኤል ብድምር ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።</verse>
				<verse number="52">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="53">“እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቝፅሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል።</verse>
				<verse number="54">ነቶም ብዙሓት ከም ብዝሖም፥ ነቶም ውሑዳት ከዓ ኸም ምውሓዶም ርስቲ ሃቦም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ቍፅሩ ርስቱ ይውሃቦ።</verse>
				<verse number="55">እታ ምድሪ ግና ዕፃ ብምውዳቕ ትመቐል። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኸከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይውረስዋ።</verse>
				<verse number="56">ኵሉ ርስቲ፥ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ኮነ እቶም ውሑዳት ዕፃ ብምውዳቕ ይመቐል።”</verse>
				<verse number="57">እቶም በብዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ጌድሶን ዓሌት ጌድሶናውያን፥ ካብ ቃዓት ዓሌት ቀዓታውያን፥ ካብ ሜራሪ ዓሌት ሜራራውያን።</verse>
				<verse number="58">እዞም ዝስዕቡ ካብ ዓሌት ሌዊ እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፥ ዓሌት ኬብሮናውያን፥ ዓሌት ሞሖላውያን፥ ዓሌት ሙሳውያን፥ ዓሌት ቆሬኣውያን። ቀኣት ኣቦ እንበረም እዩ።</verse>
				<verse number="59">ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="60">ኣሮን ንናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ወለደ።</verse>
				<verse number="61">ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ።</verse>
				<verse number="62">እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።</verse>
				<verse number="63">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="64">ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ ምድረ በዳ ሲና ቕድም ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእኸል እዚኣቶም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="65">እግዚኣብሄር ብዛዕባኣቶም “ርግፅ ኣብ ምድረ በዳ ኽሞቱ እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ካብኣቶም፥ ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥</verse>
				<verse number="3">“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።</verse>
				<verse number="4">ኣቦና፥ ወዲ ብዘይምውላዱ፥ ስለ ምንታይ ስሙ ኻብ ማእኸል ዓሌቱ ዝጠፍእ? ምስ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና” በላ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ድማ ነቲ ነገረን ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቦ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="7">ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ምስ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፤ እቲ ርስቲ ኣቦአን ናብኣተን ኣሕሊፍካ ሃበን።</verse>
				<verse number="8">ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ሰብ፥ ወዲ እንተይሓደገ እንተ ሞተ፥ ነቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ።</verse>
				<verse number="9">ጓል እንተ ዘይብሉ ኸዓ ነቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="10">ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="11">ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቲ ኻብ ዓሌቱ ንዝቐርቦ ዘመዱ ሃብዎ፤ ንሱውን ይውረሶ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞውን፥ ንደቂ እስራኤል ስርዓትን ፍርድን ይኹን።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓባሪም ደይብ፤ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸዓ ረአያ።</verse>
				<verse number="13">ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር</verse>
				<verse number="16">“ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን ደው ኣቢልካ ሹሞ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽእዘዞ ኸዓ ስልጣንካ ሃቦ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል፥ ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ መባአይ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸቕርቡለይ ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="3">ከምዙይ ድማ በሎም፦ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ ኸምዙይ እዩ፦ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡበት ኣባጊዕ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ጊሓት ሰውእዎ፤ ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውእዎ።</verse>
				<verse number="5">ንመስዋእቲ እኽሊ ብኢን መስፈሪ ራብዓይ ኢድ ተወቒጡ ብዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ብመስፈሪ ኢፍ ዓስራይ ኢድ ፅቡቕ ሕሩጭ ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመጀመርታ ኣብ ደብረ ሲና ዝቐረበ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ምስቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ዝውፈ መስዋእቲ መስተ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝፈስስ መስዋእቲ መስተ፥ ብርቱዕ መስተ ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበት ኣባጊዕ ሰውኡ፤ ምስኡ ኸዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="12">መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥</verse>
				<verse number="13">መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ኣቕርቡ። እዙይ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="14">መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤልን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቲኣ ድማ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።</verse>
				<verse number="18">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="19">ግና ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="20">ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥</verse>
				<verse number="21">መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="22">ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እተቕርብዎ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ከምኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ፀፅባሕ መስዋእቲ ብልዒ ኣዳልዉ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን ዝስዋእ እዩ።</verse>
				<verse number="25">በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="26">ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="27">ግና ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="28">ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥</verse>
				<verse number="29">መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="30">ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ሓደ ጤል ሰውኡ።</verse>
				<verse number="31">እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ጐደሎ ዘይብሎምውን ይኹኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="3">መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥</verse>
				<verse number="4">ነቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ነንሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ናይ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="5">ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="8">ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም።</verse>
				<verse number="9">ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥</verse>
				<verse number="10">መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="11">ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።</verse>
				<verse number="13">ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="14">ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ማጕላ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ፥</verse>
				<verse number="15">መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="16">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="18">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="19">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="20">በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="21">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="22">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="24">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸምቲ ስሩዕ ቍፅሪ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="25">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="27">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="28">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="30">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="31">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።</verse>
				<verse number="33">ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="34">ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="36">ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="37">ምስቲ ዝራብዕን ማጓሉን፥ ከምኡውን ምስቶም ጡበታት ኣባጊዕ፥ ከከምቲ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="38">ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="39">ኣብ ልዕሊ እቲ ብመብፅዓ ወይ ብድልየትኩም እተቕርብዎ መስዋእትኹም፥ በቲ ምዱብ በዓላትኩም፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን መስዋእቲ ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="40">ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ሙሴ ንመራሕቲ ነገድ ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ።</verse>
				<verse number="3">“ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥</verse>
				<verse number="4">ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="5">ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።</verse>
				<verse number="6">“ተመባፂዓ እንተላ፥ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፥ ብመብፅዓ ተኣሲራ እንተላ እንተ ተመርዐወት፥</verse>
				<verse number="7">ሰብኣያ ኸዓ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ፥ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ትፈፅም።</verse>
				<verse number="8">ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።</verse>
				<verse number="9">“መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም።</verse>
				<verse number="10">“ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ኽትህብ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐት፥</verse>
				<verse number="11">ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም።</verse>
				<verse number="12">ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ ግና፥ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ንፅባሒቱ ይፀንዕ።</verse>
				<verse number="15">ሰሚዑ እንተሎ መዓልቲ ኣሕሊፉ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ናይታ ሰበይቲ በደል ናቱ ይኸውን።”</verse>
				<verse number="16">ብጊዜ ንእስነታ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን፥ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓት እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="3">ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝዋግኡ ሰባት ኣዳልዉ፤ በቲ ምድያማውያን ንእግዚኣብሄር ዝበደልዎ ድማ ኸይዶም ይበቀልዎም።</verse>
				<verse number="4">ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል ሸሽሕ ሰብ ናብ ውግእ ስደዱ።”</verse>
				<verse number="5">ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ምስ ሃበ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት ንውግእ ተዳለዉ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ምስ ምድያማውያን ተዋግኡ፤ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ።</verse>
				<verse number="8">ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="9">ነንስቲ ምድያምን ንቘልዑተንን ማረኽዎም። ኵሉ እንስሳኦምን ኵሉ ጥሪቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን ዘመቱ።</verse>
				<verse number="10">ንዅለን ዝነብሩለን ከተማታቶምን ኵሉ ሰፈራቶምንውን ብሓዊ ኣቃፀሉ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ዅሉ ዝማረኽዎን ዝዘመትዎን ሰብ ኮነ እንስሳ ወሰዱ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ዝማረኽዎምን ነቲ ዝዘመትዎን ዝሰለብዎን ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ህዝቢ እስራኤልን ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹመኛታት እቲ ህዝብን ድማ ክቕበልዎም ናብ ወፃኢ ሰፈር ወፁ።</verse>
				<verse number="14">ሙሴ ኸዓ በቶም ካብ ውግእ ዝተመለሱ ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ በቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ንዅለን ኣንስቲ ብህይወት ሓደግኩምወን?</verse>
				<verse number="16">እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ ድማ ተባዕታይ ዝኾነ ቕተሉ፤ ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስቲ ቕተልወን።</verse>
				<verse number="18">ሰብኣይ ዘየእተዋ ዅለን ኣጓላት ግና ንኣኻትኩም ክኾና ብህይወተን ሕደግወን።</verse>
				<verse number="19">“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዅሉን፥ ኵሉ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣንፅህዎ።”</verse>
				<verse number="21">ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ ሕጊ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="22">ወርቅን ብሩርን፥ ነሃስን፥ ሓፂንን፥ ታኒካን ዓረርን፥</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ፤ በቲ ዘንፅህ ማይ ከዓ ይተሓፀብ። ኵሉ ሓዊ ዘይኽእል ድማ ብማይ ይተሓፀብ።</verse>
				<verse number="24">ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽዳውንትኹም ሕፀቡ፤ ክትነፅሁ ድማ ኢኹም፤ ሽዑ ኸዓ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።”</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="26">“ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን መራሕቲ ማይ ቤት ናይቲ ህዝብን ኴንኩም፥ ነቲ ምርኮ፥ ሰቡን ጥሪቱን ቍፀርዎ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ምርኮ ኸዓ ፍርቁ ነቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእቲ፥ ፍርቁ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ማዕረ ጌርኩም ምቐልዎ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፥ ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ፍለዩ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ፍለዩ።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ካብቲ ብፅሒቶም ንእግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ክኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።”</verse>
				<verse number="31">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።</verse>
				<verse number="32">እቲ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝዘመትዎ፥ ብዘይ እቲ ንርእሶም ዘትረፍዎ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ኣባጊዕ፥</verse>
				<verse number="33">ሰብዓን ክልተን ሽሕ ኣላሕም፥</verse>
				<verse number="34">ስሳን ሓደን ሽሕ ኣእዱግ፥</verse>
				<verse number="35">ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ኮነ።</verse>
				<verse number="36">ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ ኾነ።</verse>
				<verse number="37">ካብኣተን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኣባጊዕ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።</verse>
				<verse number="38">ከፍቲ ድማ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ፥ ካብኣተን ሰብዓን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።</verse>
				<verse number="39">ኣእዱግ ከዓ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ካብኣተን ስሳን ሓደን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።</verse>
				<verse number="40">ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ፥ ካብኣተን ሰላሳን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።</verse>
				<verse number="41">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።</verse>
				<verse number="42">ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል፥ ሙሴ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝመቐሎም፥</verse>
				<verse number="43">ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ፥</verse>
				<verse number="44">ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ከፍቲ፥</verse>
				<verse number="45">ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣእዱግ፥</verse>
				<verse number="46">ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ድማ ኣጓላት ኮና።</verse>
				<verse number="47">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ኻብዙይ ናይ ደቂ እስራኤል ብፅሒት ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፥ ከካብ ሓምሳ፥ ሓደ ወሲዱ፥ ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም።</verse>
				<verse number="48">እቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ።</verse>
				<verse number="49">ንሙሴ ኸዓ “ጐይታይ! ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ወታደራት ቈፂርናዮምስ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን።</verse>
				<verse number="50">ነፍሲ ወከፍና ድማ ኻብቲ ዝረኸብናዮ ኣቕሓ ወርቂ፥ ኣልቦ፥ ኣምባር፥ ቀለበት፥ ኵትሻ፥ ድሪ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽንረክብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና” በልዎ።</verse>
				<verse number="51">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ በብዓይነቱ ኣቑሑ ተቐበልዎም።</verse>
				<verse number="52">እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ወርቂ ኽልተ ሚእቲ ኺሎ ግራም ኮነ።</verse>
				<verse number="53">እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ወታደራት ነፍሲ ወከፎም ነንርእሶም ዝኸውን ማሪኾም ነበሩ።</verse>
				<verse number="54">ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ወሲዶም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣእተውዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን መፂኦም ከዓ፦</verse>
				<verse number="3">“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺብናስ፥ እዘን ዓዲታት እዚኣተን፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ርስቲ ጌርካ ሃበና፤ ንዮርዳኖስውን ኣይተሳግረና” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ እንተለዉዶ፥ ኣብዙይ ክትተርፉ ኢኹም?</verse>
				<verse number="7">ስለ ምንታይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፥ ንደቂ እስራኤል ተስፋ እተቝርፅዎም?</verse>
				<verse number="8">ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="9">ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="10">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦</verse>
				<verse number="11">‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል የመና ተቘጥዖም እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ ትውልዲ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም።</verse>
				<verse number="14">“ኣቱም ካብ ሓጥኣን ዝተወለድኩም ሰባት፥ ነቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክተበርትዑ፥ እንሆ ኸም ኣቦታትኩም ተልዓልኩም።</verse>
				<verse number="15">ንእግዚኣብሄር ምኽታል እንተ ኣበኹም፥ ንሱ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድጎም እዩ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ከዓ ተጥፍእዎ ኣለኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ከዓ ናብኡ ቐሪቦም “ኣብዙይ ንእንስሳትና ደምበታት፥ ንደቅና ድማ ኸተማታት ክንሰርሕ ኢና፤</verse>
				<verse number="17">ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ።</verse>
				<verse number="18">ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዝረክብ፥ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን።</verse>
				<verse number="19">ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።</verse>
				<verse number="20">ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥</verse>
				<verse number="21">ንፀላእቱ ድማ ኻብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፥ እታ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፥ ኵሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምስ ድሕሪኡ ትምለሱ፤ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኤልን ከዓ ኻብ በደል ንፁሃት ትኾኑ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">“ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="24">እምበኣር ንደቅኹም ከተማታት፥ ነባጊዕኹም ከዓ ደምበታት ስርሑ፤ ነቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወፀ ነገር ድማ ግበርዎ።”</verse>
				<verse number="25">ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ “ጐይታና! ኸምቲ ዝበልካና ኽንገብር ኢና።</verse>
				<verse number="26">ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="27">ንሕና ሓሻኽርካ ግና ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዝና ዅላትና ኸምቲ ጐይታና ዝበልካዮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንዋጋእ ክንሳገር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="28">ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ነሕሉቕ ማይ ቤት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኣቶም ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="29">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።</verse>
				<verse number="30">ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር።</verse>
				<verse number="32">ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="33">ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።</verse>
				<verse number="34">ደቂ ጋድ ድማ፥ ዲቦን፥ ዓጣሮት፥ ዓሮዔር፥</verse>
				<verse number="35">ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥</verse>
				<verse number="36">ቤት ኒምራ፥ ቤት ሓራን ዝበሃላ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሑ፤ ደምበታት ኣባጊዕውን ሰርሑ።</verse>
				<verse number="37">ደቂ ሮቤል ድማ ሓሴቦን፥ ኤልዓለ፥ ቂርያታይም፥</verse>
				<verse number="38">ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን።</verse>
				<verse number="39">ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ኸይዶም ንገለዓድ ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከዓ ሰጐጕዎም።</verse>
				<verse number="40">ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ንገለዓድ ሃቦ፤ ማኪር ከዓ ኣብኣ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="41">ያኢር ወዲ ምናሴ ኸይዱ ዓድታት ሓዘ፤ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸዓ ሰመየን።</verse>
				<verse number="42">ኖባህ ድማ ኸይዱ ንቕኤናትን ቍሸታታን ሓዛ፤ ብስሙ ኸዓ ኖባህ ኢሉ ኣውፅአላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦</verse>
				<verse number="2">ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦</verse>
				<verse number="3">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ።</verse>
				<verse number="4">ግብፃውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ዝቐተሎም ኵላቶም በዅሪታት ይቐብሩ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶምውን ፈረደ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ እስራኤል ካብ ራምሴ ተልዒሎም ኣብ ሱኮት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ኤታም ተልዒሎም፥ ኣብ ምብራቕ በኣልዛፎን ናብ ዘላ ፊሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ጥቓ ሚግዶል ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ መንፅር ፊሃሒሮት ተልዒሎም ብማእኸል ባሕሪ ኤርትራ ገይሮም ናብ ምድረ በዳ ተሳገሩ። ኣብ ምድረ በዳ ኤታም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከዓ ኣብ ማራ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ማራ ተልዒሎም፥ ናብ ኤሊም መፁ፤ ኣብ ኤሊም ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ባሕሪ ኤርትራ ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ኣብ ራፋቃ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ራፋቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ኤሉስ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ኤሉስ ተልዒሎም፥ ኣብ ራፊዲም ሰፈሩ፤ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዝሰትይዎ ማይ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="15">ካብ ራፊዲም ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዒሎም፥ ኣብ መቓብር ምንዮት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="17">ካብ መቓብር ምንዮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ሓፄሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ሪትማ ተልዒሎም፥ ኣብ ሬሞን ዘፋሬስ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ሬሞን ዘፋሬስ ድማ ተልዒሎም፥ ኣብ ልብና ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ልብና ተልዒሎም፥ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ሪሳ ተልዒሎም፥ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="23">ካብ ቄሄላታ ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ሻፍር ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="24">ካብ እምባ ሻፍር ተልዒሎም፥ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ሓራዳ ተልዒሎም፥ ኣብ መቅሄሎት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="26">ካብ መቅሄሎት ተልዒሎም፥ ኣብ ታሓት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="27">ካብ ታሓት ተልዒሎም፥ ኣብ ታራ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ታራ ተልዒሎም፥ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ሚትቃ ተልዒሎም፥ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ሓሽሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="31">ካብ ሞሴሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ብኔያዕቃን ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ብኔያዕቃን ተልዒሎም፥ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="33">ካብ ሖርሃጊድጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ዮጥባታ ተልዒሎም፥ ኣብ ዔብሮና ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="35">ካብ ዔብሮና ተልዒሎም ኣብ ኤፅዮንጋብር ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ኤፅዮንጋብር ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ሰፈሩ፤ ንሱውን ቃዴስ እዩ።</verse>
				<verse number="37">ካብ ቃዴስ ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ዘሎ እምባ ሆር ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="38">ካህን ኣሮን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ እምባ ሆር ደየበ። ኣብኡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ ኣብ እምባ ሆር ሞተ።</verse>
				<verse number="39">ኣሮን ክመውት እንተሎ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ኣብ ደቡብ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ንጉስ ኣራድ፥ ደቂ እስራኤል ይመፁ ኸም ዘለዉ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="41">ካብ እምባ ሆር ተልዒሎም፥ ኣብ ሴልሞና ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="42">ካብ ሴልሞና ተልዒሎም፥ ኣብ ፉኖን ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="43">ካብ ፉኖን ተልዒሎም፥ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="44">ካብ ኦቦት ተልዒሎም፥ ኣብ ወሰን ሞኣብ እትርከብ ኣብ ጋይ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="45">ካብ ጋይ ተልዒሎም፥ ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="46">ካብ ዲቦንጋድ ተልዒሎም፥ ኣብ ዓልሞንዲብላታይም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="47">ካብ ዓልሞንዲብላታይም ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ዓብሪም፥ ኣብ መንፅር ናባው ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="48">ካብ እምባ ዓብሪም ተልዒሎም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="49">ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="50">እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="51">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥</verse>
				<verse number="52">ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ስጐጕዎም፤ ኵሉ ብእምንን ብሓፂንን ዝተሰርሐ ምስልታቶም ሰባብሩ። ኵሉ ሰፈራት ኣምልኾኦም ኣፍርሱ።</verse>
				<verse number="53">ነታ ሃገር ብርስቲ ሂበኩም እየ እሞ ውረስዋ፤ ኣብኣውን ንበሩ።</verse>
				<verse number="54">ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”</verse>
				<verse number="55">ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ግና፥ “እቶም ካብኣቶም ዘትረፍኩምዎም፥ ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፥ ኣብ ጐድኒኹም ከዓ ዳንዴር ክኾኑኹም እዮም፤ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም።</verse>
				<verse number="56">እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ከምቲ ንኣኣቶም ከጥፍኦም ዝሓሰብኩ ንኣኻትኩምውን ከጥፍአኩም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ናብታ ርስቲ ኽትኮነኩም እትወሃበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም ዘዋስንዋ እዞም ዝስዕቡ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።</verse>
				<verse number="4">ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ዓፅሞን ከዓ እቲ ወሰን ናብ ሩባ ግብፂ ይዙር፤ ናብቲ ዓብዪ ባሕሪ ድማ ይውፃእ።</verse>
				<verse number="6">ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="7">ብወገን ሰሜን ወሰንኩም ከምዙይ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።</verse>
				<verse number="8">ካብ እምባ ሆር ድማ ኽሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ፅዳድ ይውፃእ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ወሰን ከዓ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓፃርዔናን ይውፃእ፤ ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኹን።</verse>
				<verse number="10">ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ወሰን ድማ ኻብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፤ እቲ ወሰን ከዓ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብፃሕ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።</verse>
				<verse number="14">ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤቶም፥ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኸከም ማይ ቤቶም፥ ፈረቓ ነገድ ምናሴውን ከምኡ ረርስቶም ሒዞም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="15">እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">መሊሱ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="17">እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም።</verse>
				<verse number="18">ንምምቓል እታ ምድሪ ዝሕግዝዎም ድማ ኸካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰድ።</verse>
				<verse number="19">ስማቶም ድማ እዙይ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ነገድ ስምኦን፥ ሰላምኤል ወዲ ዓሚሁድ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ነገድ ብንያም፥ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን።</verse>
				<verse number="22">ካብ ነገድ ዳን፥ ቡቂ ወዲ ዮግሊ።</verse>
				<verse number="23">ካብ ደቂ ዮሴፍ፥ ካብ ነገድ ምናሴ፥ ኣኒኤል ወዲ ሱፊድ።</verse>
				<verse number="24">ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ቀሙኤል ወዲ ሺፍጣን።</verse>
				<verse number="25">ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ኤሊሳፈን ወዲ ፈርናክ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ፊልጢኤል ወዲ ሖዛ።</verse>
				<verse number="27">ካብ ነገድ ኣሴር፥ ኣሒሁድ ወዲ ሰሌሚ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ ፈዳሄል ወዲ ዓሚሁድ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ርስቲ ኽመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ዝወርስዎ ምድሪ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ምድሪ ንሌዋውያን ይሃብዎም።</verse>
				<verse number="3">እተን ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም። እቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ምድሪ ድማ ንኸፍቶምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ይኹን።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከባቢ ኸተማታት ዘሎ ምድሪ፥ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ ስፍሓቱ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሜትር ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ብወፃኢ ኸተማ ብወገን ምብራቕ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ደቡብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ምዕራብ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር፥ ብወገን ሰሜን ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሜትር ዓቅኑ። እታ ኸተማ ኣብ ማእኸል ትኹን። እዙይ ከዓ ኣብ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም።</verse>
				<verse number="6">እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ሽዱሽተ ኸተማታት፥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን፥ መዕቘቢ ይኹና። ብተወሳኺ ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="7">እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት፥ ኵለን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማታት፥ መምስ ከባቢአን ይኹና።</verse>
				<verse number="8">እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፥ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፥ ካብቶም ውሑድ ዘለዎም ውሑድ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ ዝወርሶ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="10">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንስኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥</verse>
				<verse number="11">ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን ከተማታት ፍለዩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ቐታሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ንፍርዲ ደው እንተይበለ ኣይሙት። እዘን ከተማታት እዚኣተን ካብቲ ፈዳዪ ሕነ መዕቘቢ ይኹናኹም።</verse>
				<verse number="13">እተን መዕቘቢ ክኾናኹም እትህብወን ከተማታት ሽዱሽተ ይኹና።</verse>
				<verse number="14">እተን መዕቘቢ ኸተማታት፥ ሰለስተ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ሰለስተ ኸዓ ኣብ ምድሪ ከነዓን ይኹናልኩም።</verse>
				<verse number="15">ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እስራኤላዊ ወይ ጓና ወይ ምስኣቶም ዝነብር ስደተኛ ናብኣተን ምእንቲ ኽሃድም፥ እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት እዚኣተን መዕቘቢ ይኹና።</verse>
				<verse number="16">ሓደ ሰብ ብሓፂን ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።</verse>
				<verse number="17">ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል እምኒ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።</verse>
				<verse number="18">ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኽቐትል ብዝኽእል ኣቕሓ ዕንፀይቲ ወቒዑ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል።</verse>
				<verse number="19">እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ባዕሉ ይቕተሎ።</verse>
				<verse number="20">ብፅልኢ ደፊኡ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ተፀናትዩ ዝኾነ ደርቢዩ እንተ ቐተሎ፥</verse>
				<verse number="21">ወይ ፅልኢ ነይርዎ ብኢዱ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ እቲ ዝወቕዐ፥ ቀታሊ ሰብ እዩ እሞ ይቀተል። እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ ነቲ ቐታሊ ሰብ ምስ ረኸቦ ይቕተሎ።</verse>
				<verse number="22">ብፅልኢ ዘይኮነስ፥ እንተይፈለጠ እንተ ደፍኦ ግና፥ ፀላኢኡ ኸዓ እንተ ዘይነበረ፥ ወይ ከዓ ንኽፉእ እንተይሓሰበ፥ ወይ እንተይተፀናተወ ሓደ ነገር እንተ ደርበየሉ፥</verse>
				<verse number="23">ወይ እንተይረኣዮ ኽቐትል ዝኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፥ እሞ እንተ ሞተ፥</verse>
				<verse number="24">ሽዑ እቲ ባይቶ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን፥ ኣብ መንጎ እቲ ፈዳዪ ሕነን፥ ከምዙይ ገይሩ ይፍረድ፦</verse>
				<verse number="25">ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ የድሕኖ፤ ናብታ መዕቘቢት ክትኮኖ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ድማ ይምለሶ። እቲ ብቅዱስ ቅብኢ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይፅናሕ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ቐታሊ፥ ካብ ወሰን እታ ሃዲሙ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ወፀ ግና፥</verse>
				<verse number="27">እቲ ፈዳዪ ሕነ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ወሰን እታ ተዓቚቡላ ዘሎ ኸተማ እንተ ረኸቦ እሞ እንተ ቐተሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።</verse>
				<verse number="28">እቲ ቐታሊ ሰብ፥ እቲ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት፥ ኣብታ ዝተዓቝበላ ኸተማ ኽፀንሕ ይግብኦ፤ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኽምለስ ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር፥ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="30">ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ብኣፍ መሰኻኽር ይቀተል። ሓደ ብዝመስከሮ ግና ንሞት ኣየፍርዶን እዩ።</verse>
				<verse number="31">ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ሰብ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፤ ይሙት ደኣ እምበር ኣይትቀበሉ።</verse>
				<verse number="32">ስለ እቲ ናብታ መዕቘቢት ከተማ ዝሃደመ፥ ሊቀ ካህናት እንተይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም፥ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ።</verse>
				<verse number="33">ደም ምፍሳስ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፥ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፥ ብደም እቲ ደም ዘፍሰሰ እያ እትነፅህ።</verse>
				<verse number="34">ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዝሓድር እየ። ነታ ኣነ ኣብ ማእኸላ ዝሓድራ፥ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር፥ ኣይተርክስዋ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">መራሕቲ ዓሌት ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ መፁ፤ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት፥ መራሕቲ ዓሌት ደቂ እስራኤልን ከዓ ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="2">“እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ብዕፃ ኽትህቦም ኣዘዘካ። ከምኡውን ንርስቲ ሰለጵአድ ሓውና፥ ነጓላቱ ኽትህበን ኣዘዘካ።</verse>
				<verse number="3">ንሳተን ናብ ሓደ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት እስራኤል እንተ ተመርዓዋ፥ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽውሰድ እዩ፤ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ኽውሰኽ እዩ። በዝ ኸምዙይ ካብቲ ብዕፃ ዝወረስናዮ ርስቲ ኽንከ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንደቂ እስራኤል ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ኮነሎም፥ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ክውሰኽ እዩ። ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽንከ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ ዝተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣጓላት ሰለጵአድ ዝኣዘዞ ኸምዙይ እዩ፦ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር ዝደለያኦ ይመርዓዋ።</verse>
				<verse number="7">ነፍሲ ወከፍ ካብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይፅናዕ እምበር፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ጓል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፥ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትመርዖ።</verse>
				<verse number="9">ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።”</verse>
				<verse number="10">ኣጓላት ሰለጵአድ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።</verse>
				<verse number="11">ኣጓላት ሰለጵአድ፥ ማሕላ፥ ቲርፃ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ኖዓ፥ ካብ ደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተመርዓዋ፤ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኣተን ተረፈ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="5">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዝ ሕጊ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ኽገልፆ ጀመረ፦</verse>
				<verse number="6">“እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኣብ ኮሬብ ‘ኣብዝ እምባዙይ ዝተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፤</verse>
				<verse number="7">ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።</verse>
				<verse number="8">እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።</verse>
				<verse number="9">በቲ ዘመን እቱይ ከምዙይ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ “ኣነ በይነይ ክፆረኩም ኣይክእልን እየ።</verse>
				<verse number="10">ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን።</verse>
				<verse number="12">እቲ ድኻምኩምን ጐይቊኹምን እዝ ከቢድ ሸኽሚ ከመይ ገይረ በይነይ ክፆሮ?</verse>
				<verse number="13">ካባኻትኩም ለባማትን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ምረፁ እሞ ኣሕሉቕኩም ክገብሮም እየ።”</verse>
				<verse number="14">“ንስኻትኩም ድማ ‘እቲ ኽንገብሮ ዝነገርካና ነገር ፅቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ።</verse>
				<verse number="15">“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።</verse>
				<verse number="16">በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፤ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን፥ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓናውን ብቕንዕና ፍረዱ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም።</verse>
				<verse number="18">በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኵሉ ኽትገብርዎ ዘለኩም ኣዘዝኩኹም።”</verse>
				<verse number="19">“ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ድማ ‘ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ደጕዓ ኣሞራውያን መፂእኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="21">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም።</verse>
				<verse number="22">“ንስኻትኩም ከዓ፥ ኵልኻትኩም ናባይ መፂእኹም፥ ‘በየናይ መንገዲ ኸም እንድይብ፥ ናበየንአን ከተማታትውን ከም እንኣቱ ተመሊሶም ክነግሩና ነታ ሃገር ዝስልሉልና ቕድሜና ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ነገር ባህ ኣበለኒ፤ ስለዙይ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ካባኻትኩም ወሰድኩ።</verse>
				<verse number="24">ከይዶም ድማ ናብ ደጕዓ ደየቡ፤ ናብ ለሰ ኤሽኮል በፂሖምውን ሰለይዋ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና።</verse>
				<verse number="26">“ንስኻትኩም ግና ኽትድይቡ ኣይፈተኹምን፤ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ዓመፅኩም።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ውሽጢ ድንኳናትኩም ኴንኩም ድማ ኸምዙይ እናበልኩም ኣጕረምረምኩም፤ ‘እግዚኣብሄር ስለ ዝፀልአና፥ ምእንቲ ኸጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅአና።</verse>
				<verse number="28">ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።</verse>
				<verse number="29">“ኣነውን ‘ብኣኣቶም ኣይትደንግፁን ኣይትፍርሑን በልኩኹም።</verse>
				<verse number="30">እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="31">ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።</verse>
				<verse number="32">“ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።</verse>
				<verse number="33">ንሱ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፥ እትኸድዎ መንገዲ ድማ ኸርእየኩም፥ ለይቲ ብሓዊ፥ መዓልቲ ኸዓ ብደመና ቐቅድሜኹም ከይዱ እዩ።</verse>
				<verse number="34">“እግዚኣብሄር ነቲ ድምፂ ቓላትኩም ሰሚዑ ተቘጥዐ፤</verse>
				<verse number="35">‘ካባኻትኩም፥ ካብዝ ክፉእ ትውልዲ፥ ነታ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ፍርያም ምድሪ ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።</verse>
				<verse number="36">ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።</verse>
				<verse number="37">“ነኣይውን ብሰንክኹም እግዚኣብሄር ተቘጥዐኒ፤ ‘ንስኻ እውን ኣይትኣትዋን ኢኻ።</verse>
				<verse number="38">እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ።</verse>
				<verse number="39">እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም፥ እቶም ሎሚ ፅቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፥ ንሳቶም ክኣትዉዋ እዮም፤ ነታ ምድሪ ንኣኣቶም ክህቦም እየ፤ ክወርስዋ ኸዓ እዮም።</verse>
				<verse number="40">ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፤ ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ ምድረ በዳ ኣቢልኩም ኪዱ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="41">“ሽዑ ‘ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና፤ እምበኣር ክንድይብ እሞ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ኽንዋጋእ ኢና’ ኢልኩም መለስኩምለይ፤ ነፍሲ ወከፍኩምውን ኣፅዋርኩም ዓጢቕኩም ናብ ደጕዓ ኽትድይቡ ተዳሎኹም።</verse>
				<verse number="42">“እግዚኣብሄር ድማ ‘ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ፥ ናብ ደጕዓ ኣይትደይቡ፤ ኣይትዋግኡውን፥ በሎም’ በለኒ።</verse>
				<verse number="43">“ኣነ ድማ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፤ ብድፍረትኩም ናብቲ ደጕዓ ደየብኩም እምበር ኣይሰማዕኹምንን።</verse>
				<verse number="44">እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም።</verse>
				<verse number="45">ተመሊስኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኸኹም፤ እግዚኣብሄር ግና ድምፅኹም ኣይሰምዐን፤ ናባኻትኩምውን ኣይጠመተን።</verse>
				<verse number="46">ስለዙይ ከም መጠን እቲ ዝተቐመጥኩምሉ ዘመን፥ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">“ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።”</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦</verse>
				<verse number="3">“ነዝ እምባዙይ ምዛር ይኣኽለኩም፤ ተመሊስኩም ናብ ሰሜን ኪዱ።</verse>
				<verse number="4">ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="5">ኣይትዋግኡዎም፤ ደጕዓ ሴይር ንኤሳው ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብታ ምድሮም መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ።</verse>
				<verse number="6">እንጀራ፥ ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፤ ማይውን ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ።</verse>
				<verse number="7">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”</verse>
				<verse number="8">ነቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፥ ካብታ ኻብ ኤላትን ካብ ዔፅዮንጋብርን እተውፅእ ናብ ባሕሪ ጨው እትወስድ መንገዲ ኣግለስና። ገፅና መሊስና ኸዓ በታ ናብ ሞኣብ እትወስድ መንገዲ ምድረ በዳ ሓለፍና።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ ዔር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፥ ካብኣ ርስቲ ኣይህበኩምን እየ። ስለዙይ ንሞኣባውያን ኣይትሃውኮም፤ ኣይትዋግኣዮምውን” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">(ቅድም ሓደ ዓቢይን ብዙሕን ኤሚም ዝበሃል ህዝቢ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ፤ ከም ዔናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ከምቶም ዔናቃውያን፥ ረፋውያን ይብሃሉ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ኢሎም ይፅውዕዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ሖራውያን ድማ ቕድም ኣብ ሴይር ይቕመጡ ነበሩ፤ ደቂ ኤሳው ግና፥ ከምቲ ደቂ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኽወርስዋ እንተለዉ ዝገበርዎ፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፊኦም ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።)</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ድማ፦ “ተስኡ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርዎ” በለና። ንሩባ ዘሬድ ድማ ተሳገርናዮ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት።</verse>
				<verse number="16">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኵሎም እቶም ሰልፈኛታት ሰባት ምስ ጠፍኡ፥ ካብ ማእኸል ህዝቢ እውን ሞይቶም ምስ ተወድኡ፥</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦</verse>
				<verse number="18">ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19">ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብኩም፥ ኣይትሃውኹዎም፤ ኣይትዋግኡዎምውን። ንደቂ ሎጥ ርስቲ ሂበዮም እየ። ስለዙይ ካብ ርስቲ ደቂ ኣሞን ሓደ እኳ ኣይህበኩምን እየ።</verse>
				<verse number="20">(እዛ ምድሪ እዚኣ ረፋውያን ይነብርዋ ስለ ዝነበሩ፥ ምድሪ ራፋይም ኢሎም ይፅውዕዋ ነበሩ። ኣሞናውያን ግና ዘምዙማውያን ይብልዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ከም ዔናቃውያን፥ ዓቢይን ብዙሕን ህዝቢ፥ እቶም ሰባት ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ነበሩ። ግና እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም እሞ፥ ንኣኣቶም ሰጐጎም፤ ኣብ ቦታኣቶምውን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣብ ሴይር ንዝነበሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም፤ ንኣኣቶም ሰጒጎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="23">ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና።</verse>
				<verse number="26">ካብ ምድረ በዳ ቅዴሞት ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን፥ እዝ መልእኽቲ ሰላም እዙይ ዝሓዙ ሰባት ሰደድኩሉ፦</verse>
				<verse number="27">“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና።</verse>
				<verse number="28">እንበልዖ እንጀራ ብገንዘብ ሽጠልና፤ እንሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበና። ንእግርና ጥራሕ ኣሕልፈና።</verse>
				<verse number="29">ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ።</verse>
				<verse number="30">ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ከዓ “እንሆ፥ ንሴዎንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ምሃብ ጀሚረ ኣለኹ፤ ስዒርካ ንምድሩ ክትወርስ ከዓ ጀምር” በለኒ።</verse>
				<verse number="32">ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ቐተልናዮም።</verse>
				<verse number="34">በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም።</verse>
				<verse number="35">ነተን ከፍቲ ዘመትናየን፤ ነተን ከተማታትውን ወረርናየን።</verse>
				<verse number="36">ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር፥ በታ ኣብ ፈለግ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ ገለዓድ ዘለዋ ኸተማታት ሓንቲ እኳ ብምንዋሕ ዕርዳ ዝበርትዐትና ኣይነበረትን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዅለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና።</verse>
				<verse number="37">ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና፥ ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞንን፥ ናብ ኵሉ ወገን ፈለግ ያቦቅን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበራ ኸተማታትን ኣይቀረብናን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">“ተመሊስና ድማ ብመንገዲ ባሳን ደየብና። ዓግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግአና ወፀ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፥ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ኣብ ሓሴቦን ንዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="3">“ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዓግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፤ ሓደ እኳ እንተየትረፍና ወዳእናዮም።</verse>
				<verse number="4">በታ ጊዜ እቲኣ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ እትብሃል ግዝኣት ዓግ ምስ ኵለን ከተማታታ ሓዝናያ፤ ካብተን ስሳ ኸተማታቱ ዘይሓዝናያ ቦታ ኣይነበረትን።</verse>
				<verse number="5">ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ብነዊሕ መካበብያ ዝተዓረዳ፤ ብመዓፁን መሸጐርን ዝፀንዓ ነበራ። ዘይተዓረዳ ኸተማታት እውን ብዙሓት ነበራ።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገበርናዮ ድማ ፈፂምና ኣጥፋእናዮም። ንዅለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈፂምና ኣጥፋእናዮም።</verse>
				<verse number="7">ንዅለን ከፍቶም ዘመትናየን፤ ንኸተማታቶምውን ወረርናየን።</verse>
				<verse number="8">“ነታ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንዔም፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ።</verse>
				<verse number="9">(ሲዶናውያን ንእምባ ኣርሞንዔም ሲርዮን ይብልዎ፤ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።)</verse>
				<verse number="10">ኵሉ እቲ ንጉስ ዓግ ዝገዝኦ ናይ ባሳን ምድሪ ሓዝናዮ፤ ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታትን ናይ ገለዓድን ናይ ባሳንን ክፍለ ሃገር ክሳዕ ከተማታት ሰልካናን ኤድራይን ሓዝናየን።</verse>
				<verse number="11">ካብቶም ዝተረፉ ረፋውያን ዓግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ፥ ንውሓቱ ኣርባዕተ ሜትር፥ ስፍሓቱ ኣስታት ክልተ ሜትር ዝኾነ ዓራት ሓፂን ነበረ። ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">“ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ወረስናያ፥ ነቲ ብሰሜን ከተማ ኣሮዔር፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣርኖን ዘሎን፥ ፍርቂ ደጕዓ ገለዓድ ምስ ናይ ከተማታታን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ዝተረፈ ምድሪ ገለዓድን ኵላ መንግስቲ ዓግን ድማ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብክዎም። (እታ ኣብ ባሳን ዘላ ሃገር ኣርጎብ ብምልእታ ሃገር ረፋውያን ትብሃል።)</verse>
				<verse number="14">ያኢር ወዲ ምናሴ፥ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ንባሳን ሓዛ። ብስሙ ድማ ሰፈራት ያዒር ተብሂላ ኽሳዕ ሎሚ ትፅዋዕ ኣላ።</verse>
				<verse number="15">ንማኪር ድማ ንገለዓድ ሃብክዎ።</verse>
				<verse number="16">ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኻብ ገለዓድ ክሳዕ ፈለግ ኣርኖን ሃብክዎም። እቲ ወሰን ኣብ ማእኸል እቲ ሩባ ነበረ፤ ክሳዕ እቲ ምስ ኣሞራውያን ዘዋስን ፈለግ ያቦቅ ይበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">“በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="19">ግና ብዙሓት ከፍቲ ኸም ዘለዋኹም እፈልጥ እየሞ፥ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ከፍትኹምን ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ከማኻትኩም ክሳዕ ዘዕርፎም፥ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርስዋ፥ ፅንሑ። ድሕሪቱይ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ’ ኢለ ኣዘዝኩኹም።</verse>
				<verse number="21">“በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኢያሱ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ ኣዒንትኹም ሪአን ኣለዋ፤ ነተን ክትወርስወን ዘለኩም ኵለን መንግስታት ከዓ እግዚኣብሄር ከምኡ ኽገብር እዩ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም’ ኢለ ኣዘዝክዎ።</verse>
				<verse number="23">“በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣነ ንእግዚኣብሄር</verse>
				<verse number="24">‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንባርያኻ ዕቤትካን ሓይልኻን ኽተርእየኒ ጀመርካ። ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ክገብር ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለንሞ።</verse>
				<verse number="25">ነዛ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ፍርያም ምድሪ፥ ነቲ ፅቡቕ ደጕዓን ንሊባኖስን፥ ክርኢ በይዛኻ ኣሕልፈኒ?’ ኢለ ለመንክዎ።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ግና ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበየኒ። ኣስዒቡ ድማ ‘ይኣኽለካ፤ በዝ ነገር እዙይ መሊስካ ኣይትዛረበኒ።</verse>
				<verse number="27">ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፥ ናብ ርእሲ ፈስጋ ደይብ፤ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸዓ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ጠምት።</verse>
				<verse number="28">ኢያሱ ግና ቐቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ክሓልፍ፥ ንሱ ኸዓ ነዛ እትሪኣ ዘለኻ ምድሪ ኸውርሶም እዩ እሞ፥ ንእኡ ኣዝዞን ኣፀናንዓዮን ኣተባብዓዮንውን’ በለኒ።</verse>
				<verse number="29">“ኣብ ጥቓ ቤተፌጎር ኣብ ዘሎ ለሰ ድማ ተቐመጥና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።</verse>
				<verse number="2">ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ።</verse>
				<verse number="3">“እግዚኣብሄር ኣብ ብዔልፌጎር ዝገበሮ፥ በዒንትኹም ርኢኹም ኣለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሎም ንበዓል ፌጎር ዝተኸተሉ ሰባት ካብ ማእኸልኩም ኣጥፍኦም፤</verse>
				<verse number="4">ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዝተኸተልኩም፥ ኵልኻትኩም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ኣለኹም።</verse>
				<verse number="5">“እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።</verse>
				<verse number="6">እዚኣተን ከዓ ንኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን፤ ስለዙይ ሓልዉወንን ፈፅምወንን። ህዝብታት ንዅሉ እዝ ሕግጋት እዙይ ሰሚዖም ‘እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ፈላጥን መስተውዓልን ህዝቢ እዩ’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ከምዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዘንብራ ዘለኹ ኵላ ሕጊ ዝበለ ቕኑዕ ሕግጋትን ፍርድታትን ዘለዎ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?</verse>
				<verse number="9">“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።</verse>
				<verse number="10">በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ።</verse>
				<verse number="11">ንስኻትኩም ድማ ቐረብኩም፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ደው በልኩም። እቲ እምባ እውን ክሳዕ ማእኸል ሰማይ ይነድድ ነበረ፤ ፀልማትን ደመናን ጣቓን ድማ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፤ ድምፂ ዘረባኡ ሰማዕኹም፤ ድምፂ ጥራሕ ሰማዕኹም እምበር፥ መልክዕስ ከቶ ኣይረአኹምን።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትፍፅምዎ ሕግጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ሽዑ ኣዘዘኒ።</verse>
				<verse number="15">በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="16">ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምስራሕ ከይትረኽሱ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ እንስሳ፥ ወይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነፍራ ኣዕዋፍ ምስሊ፥</verse>
				<verse number="18">ወይ ናይቶም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ ምስሊ፥ ወይ ናይቶም ኣብ ማይ ዘለዉ ዓሳታት ምስሊ ብምግባር ከይተምልኽዎም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="19">ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="20">ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ።</verse>
				<verse number="21">“እግዚኣብሄር ድማ ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ ከይሳገር፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኸይኣቱ መሓለ።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሳገሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ድማ ኽትወርስዋ ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባላዕ ሓዊ ዝኾነ፥ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="25">“ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድኩም፥ ኣብታ ምድሪ ኸዓ ነዊሕ ዘመን ምስ ተቐመጥኩም፥ ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ንባዕልኹም እንተርከስኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፉእ ብምግባር እውን እንተ ኣቘጢዕኹምዎ፥</verse>
				<verse number="26">ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">ኣብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ደሊኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ።</verse>
				<verse number="32">“ካብታ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ነቲ ቕድሜኹም ዝነበረ፥ ናይ ቀደም ዘመን እስኪ ጠይቑ። ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ነገርዶ ኾይኑ ይፈልጥ? ወይ ነዙይ ዝመስልከ ተሰሚዑዶ ይፈልጥ?</verse>
				<verse number="33">ከምቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣምላኽ ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ቃሉ ዝሰምዐ፥ ብህይወት ከዓ ዝነብር ህዝቢዶ ኣሎ?</verse>
				<verse number="34">ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?</verse>
				<verse number="35">“እዝ ዅሉ ንኣኻትኩም ዘርአየኩም ግና፥ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ብዘይ ንሱውን ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም።</verse>
				<verse number="37">ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም።</verse>
				<verse number="38">ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኽህበኩም፥ ናብኣ ምእንቲ ኸእትወኩም፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጐጐ።</verse>
				<verse number="39">“እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኸዓ ኣብ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለውን፥ ሎሚ ፍለጡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ዕቘርዎ።</verse>
				<verse number="40">ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።”</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ።</verse>
				<verse number="42">እዚኣተን፥ ቅድም ፅልኢ ዘይነበሮ፥ ብዘይ ምፍላጥ ብፃዩ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን እየን። ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ሃዲሙ ብህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="43">እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ።</verse>
				<verse number="44">ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="45">ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="46">ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።</verse>
				<verse number="47">ምድሩን ምድሪ ዓግ ንጉስ ባሳንን ሓዙ። ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ እዮም።</verse>
				<verse number="48">እዝ ምድሪ እዙይ ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር ክሳዕ እምባ ሲዮን፥ ክሳዕ ኣርሞንኤም፥ ይበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="49">ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፥ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዘሎ ጐልጐል ባሕሪ ድማ ሓዙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር እዝ ኺዳን እዙይ፥ ምሳና ሎሚ ብህይወት ምስ ዘለናውን እምበር ምስ ኣቦታትና ጥራሕ ኣይኣተዎን።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ገፅ ንገፅ ተዛረበኩም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦</verse>
				<verse number="6">ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።</verse>
				<verse number="7">ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።</verse>
				<verse number="9">ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።</verse>
				<verse number="13">ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር።</verse>
				<verse number="14">እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ።</verse>
				<verse number="16">ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።</verse>
				<verse number="17">ኣይትቕተል።</verse>
				<verse number="18">ኣይትዘሙ።</verse>
				<verse number="19">ኣይትስረቕ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።</verse>
				<verse number="21">ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።</verse>
				<verse number="22">እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ እቲ እምባ ብሓዊ ኽነድድ እንተሎ፥ ካብቲ ውሽጢ ፀልማት ድምፂ ምስ ሰማዕኹም፥ ንስኻትኩምን፥ ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ሽማግለታትኩምን ናባይ ቀረብኩም።</verse>
				<verse number="24">ንስኻትኩም ከዓ ንኣይ “እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፤ ድምፁውን ካብ ማእኸል ሓዊ ሰማዕና፤ ኣምላኽ ምስ ሰብ ክዛረብ እሞ፥ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተዛሪቡስ ብህይወት እንትነብር፥ ሎሚ ርኢና፥</verse>
				<verse number="25">ሕዚኸ ስለ ምንታይ እንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ክበልዐና እዩሞ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፥ ክንመውት ኢና።</verse>
				<verse number="26">ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="27">ንስኻ ቕረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፤ ንሕና ኸዓ ሰሚዕና ኽንፍፅሞ ኢና” በልኩምኒ።</verse>
				<verse number="28">ክትዛረቡኒ እንተለኹም ድማ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረብኩምዎ ሰምዖ፤ እግዚኣብሄርውን ከምዙይ በለኒ፦ ነቲ እዞም ህዝቢ ዝተዛረቡኻ ቓል ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝተዛረብዎ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!</verse>
				<verse number="30">ኪድ፤ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፥ በሎም።</verse>
				<verse number="31">ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።</verse>
				<verse number="32">እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ።</verse>
				<verse number="33">ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">“እቲ ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ፥ ሃገር ክትፍፅምዎ ኣነ ኽምህረኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።</verse>
				<verse number="4">“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።</verse>
				<verse number="6">ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት ኣብ ልብኻ ሓዞ።</verse>
				<verse number="7">ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን።</verse>
				<verse number="8">ንምልክት ክኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸም ክታብ ይኹነልካ?</verse>
				<verse number="9">ኣብ ድርኵዂት ገዛኻን ኣብ ማዕፆ ኣፍ ደገኻን ድማ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="10">“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ንኣኻትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም ምስ ኣእተወኩም ዘይሰራሕኹምወን ዓበይትን ፅቡቓት ከተማታትን ክህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንስኻትኩም ዘይመላእኹምወን ፅቡቓት ኣቑሑ ዝመልኣ ኣባይትን፥ ዘይኰዓትኩምወን ዒላታትን፥ ዘይተኸልኩምዎ ወይንን ኣውሊዕን ክህበኩም እዩ። ነዝ ዅሉ በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="13">“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ህዝብታት ዘምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ።</verse>
				<verse number="15">ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ኣፅኒዕኹም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ንዅሎም ፀላእትኹም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይን ግበሩ።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥</verse>
				<verse number="21">ንስኻትኩም ‘ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ነበርና፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ንሕና እናረአና ዓቢይን ዘስካሕክሕ ምልክትን ተኣምራትን ገበረ።</verse>
				<verse number="23">ንኣና ግና፥ ናብታ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኸእትወናን ክህበናን፥ ካብ ግብፂ ኣውፅአና።</verse>
				<verse number="24">ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ሰናይ ክኾነልና፥ ከምዝ ሎሚ ዘሎናዮ ኸዓ ምእንቲ ብህይወት ከንብረና፥ እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ ትእዛዛት ክንፍፅም፥ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ክንፈርሖ ኣዘዘና።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ንሱውን ዝኣዘዘና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ንኽንፍፅሞ ንዅሉ እዝ ትእዛዛት እዙይ እንተ ሓለና ንኣና ፅድቂ ክኾነልና እዩ’ በልዎም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።</verse>
				<verse number="3">ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።</verse>
				<verse number="4">እንተ ዘይኮነ ደቅኹም፥ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ኻብ እግዚኣብሄር ከርሕቕዎም እዮም እሞ፥ እግዚኣብሄር የመና ኽቝጥዐኩም እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ኸጥፍአኩም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንኣኣቶምስ ከምዙይ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፤ ዘምልኹሉ ኣፀዶም ቍረፁ፤ ዝተፀርበ ምስልታቶምውን ብሓዊ ኣቃፅሉ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፥ ህዝቡ ኽትኮንዎ መረፀኩም።</verse>
				<verse number="7">“እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝመረፀኩምን፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኹም ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ንስኻትኩም ትውሕዱ።</verse>
				<verse number="8">እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፥ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኣውፅአኩም፤ ካብ ባርነት፥ ካብ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ተቤዘወኩም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም።</verse>
				<verse number="11">እምበኣርከስ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድንውን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።</verse>
				<verse number="12">“ነዝ ትእዛዛት እዙይ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹምዎን እንተ ሓሊኹምዎን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ክሕልወልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="13">ክፈትወኩምን ክባርኸኩምን ከብዝሐኩምንውን እዩ። ኣብታ ንኣኻትኩም ክህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ኣብታይ ከፍትኹምን፥ ሌማታት ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ክባርኸልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኹ ኢኹም። ኣባኻትኩም ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ መኻን ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ሕማም ከርሕቕ እዩ። እቲ ዅሉ እትፈልጥዎ ዘስካሕክሕ ሕማም ግብፂ ድማ ኣየምፅአልኩምን እዩ። ናብ እቶም ኵሎም ዝፀልኡኹም ግና እዝ ዅሉ ኸምፅአሎም እዩ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም።</verse>
				<verse number="17">“ብልብኹም ድማ፥ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባና ዝበዝሑ እዮም እሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነውፅኦም ኢና?’ እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="18">ኣይትፍርሕዎም፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብፅን ዝገበሮ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ከምኡውን ነቶም ዝተረፉን ካባኻትኩም ዝተሓብኡን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ ዝጠፍኡ ዕኮት ክሰደሎም እዩ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="22">ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም በብቑሩብ ክሰጎም እዩ። ኣራዊት በረኻ ምእንቲ ኸይበዝሑኹም፥ ብሓደ ጊዜ ኽተጥፍእዎም ኣይግበአኩምን።</verse>
				<verse number="23">ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ብዓብዪ ድንጋፀ ድማ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸደንግፆም እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም።</verse>
				<verse number="25">ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ።</verse>
				<verse number="26">ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">“ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ብማሕላ ዘተስፈዎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም።</verse>
				<verse number="4">በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="6">“እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥</verse>
				<verse number="8">እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥</verse>
				<verse number="9">እንጀራ ናብ እትበልዑላ፥ ዝኾነ ናብ ዘይትስእኑላ ምድሪ፥ ኣእማና ሓፂን፥ ጎቦታታ ዅዒትኩምውን ነሃስ ናብ እተውፅኡላ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="12">እንተ ዘይተጠንቂቕኩም ግና በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ፅቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኹም ምስ ተቐመጥኩምወን፥</verse>
				<verse number="13">ከፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ምስ ሰሰና፥ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከዓ ምስ በዝሐልኩም፥ ዘለኩም ኵሉ ድማ ምስ በርከተ፥</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።</verse>
				<verse number="15">በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን።</verse>
				<verse number="17">ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ።</verse>
				<verse number="18">ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።</verse>
				<verse number="19">“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኹም፥ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ኣህዛብ፥ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">“ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም።</verse>
				<verse number="2">እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም ድማ፥ ብልብኹም ‘ፃድቃን ብምዃንና እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽንወርሳ ኣእተወና’ ኣይትበሉ። እግዚኣብሄር ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ ኽፉኣት ብምዃኖም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብፅድቅኹምን ብቕንዕና ልብኹምን ኣይኮንኩምን ንምድሮም እትኣትዉዋን እትወርስዋን ዘለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ፥ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣት እዩ፤ ከምኡውን እቲ ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ ኢኹም፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዛ ልምዕቲ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይሩ ዝሃበኩም ብፅድቅኹም ከም ዘይኮነ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="7">“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ኮሬብ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቝጣዕ ገበርኩምዎ፤ ተቘጢዑ ኸዓ ኸጥፍአኩም ደለየ።</verse>
				<verse number="9">እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብኢዱ ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃበኒ፤ እቲ ኣብቲ እምባ ተኣኪብኩም እንተለኹም ካብ ማእኸል ሓዊ ምሳኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ቓል ከዓ ኣብኣተን ተፅሒፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">“ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን፥ እግዚኣብሄር እተን ክልተ ናይ ኪዳን ፅላት እምኒ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ‘ተስእ፥ ቀልጢፍካ ውረድ። እቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ ረኺሶም እዮም፤ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፤ መኺኹ ብፍሲ ዝተሰርሐ ምስሊ ጣዖት ንርእሶም ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="13">“መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር፥ ‘እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ተረርቲ ኽሳድ ምዃኖም ሪአዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ከጥፍኦም፥ ስሞም እውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፤ ንኣኻ ድማ ኻብኣቶም ንዝሕይልን ንዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="15">“ካብቲ እምባ ተመሊሰ ወረድኩ፤ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ ይቃፀል ነበረ፤ እተን ክልተ ፅላት ኪዳን ከዓ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ።</verse>
				<verse number="16">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፤ ካብ ወርቂ ዝፈሰሰ ምስሊ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሰራሕኹም፤ ስለዙይ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መንገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም።</verse>
				<verse number="17">ነተን ክልተ ፅላት ከዓ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ ኣብ ቅድሜኹም ሰበርክወን።</verse>
				<verse number="18">“ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን።</verse>
				<verse number="19">በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ተቘጢዕዎ ዝነበረ ቝጥዓ ኸየጥፍአኩም ፈራሕኹ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ እውን እግዚኣብሄር ሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="20">ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዖ፤ ከጥፍኦ እውን ደለየ። ኣነ ግና በታ ጊዜ እቲኣ ምእንቲ ኣሮን ፀለኹ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ።</verse>
				<verse number="22">“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ።</verse>
				<verse number="23">“ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን።</verse>
				<verse number="24">ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።</verse>
				<verse number="25">“እግዚኣብሄርውን፥ ‘ከጥፍኦም እየ’ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ።</verse>
				<verse number="26">ንእግዚኣብሄር ድማ ‘ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ፥ ብሓያል ኢድካ እውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍኣዮ።’</verse>
				<verse number="27">ንኣገልገልትኻ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዘክር። ናይ እዝ ህዝቢ እዙይ ህልኽን ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይትመልከት።</verse>
				<verse number="28">እንተ ዘይኮኑ፥ ግብፃውያን፥ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝፀልኦምን ምእንቲ ኣብ ምድረ በዳ ኽቐትሎም ኣውፅኦም’ ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="29">እዚኣቶምስ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም” በልኩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">“ሽዑ እግዚኣብሄር ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ እሞ ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ስራሕ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓል ከዓ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ድማ ኽተንብረን ኢኻ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="3">“ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ገይረ ታቦት ሰራሕኹ፤ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ እውን ፀረብኩ፤ ንኽልቲአን ፅላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸዓ ናብቲ እምባ ደየብኩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር በታ ተኣኪብኩምላ ዝነበርኩም መዓልቲ፥ ኣብቲ እምባ ኻብ ማእኸል ሓዊ ነጊሩኩም ዝነበረ፥ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብተን ፅላት ፀሓፈ፥ ንኣይ ድማ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="5">ተመሊሰ ኸዓ ኻብቲ እምባ ወረድኩ፤ ነተን ፅላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕኽዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጣ።”</verse>
				<verse number="6">ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጕዓዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፤ ኣብኡውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ።</verse>
				<verse number="7">ካብኡ ድማ ናብ ጉድጎዳ፥ ካብ ጉድጎዳውን ናብታ ወሓዝቲ ማያት ዘለዋ ናብ ዮጥባታ ተጕዓዙ።</verse>
				<verse number="8">በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ኣነ ድማ ኸምቲ ናይ ቅድም፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተቐመጥኩ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ እግዚኣብሄርውን ከጥፍአኩም ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ ‘ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንስ ተስእ፤ ኪድ፥ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጕዓዝ’ በለኒ።”</verse>
				<verse number="12">“ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">“እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ምስ እዝ ዅሉ ግና እግዚኣብሄር ስለ ኣቦታትኩም ደስ ኢሉዎ እዩ፤ ንኣኣቶምውን ፈትዩ መረፆም። ብድሕሪኦም ድማ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ከምዝ ሎሚ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ሓረየኩም።</verse>
				<verse number="16">እምበኣር ንስኻትኩም ልብኹም ግረዙ፤ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ስደተኛ ፍተዉ።</verse>
				<verse number="20">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ።</verse>
				<verse number="22">ኣቦታትኩም ናብ ግብፂ ኽወርዱ እንተለዉ ብድምር ሰብዓ ሰብ ነበሩ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዝሐኩም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">“ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ተግሳፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ እሞ፥ ነቲ ግርማኡን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልፅሙን ሎሚ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኣብ ሰራዊት ግብፅን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ፥ ከሳጕጉኹም እንተለዉ፥ ብማይ ባሕሪ ኤርትራ ኸም ዝደፈኖም፥ ፈፂሙ ድማ ኸም ዘጥፍኦም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩም ከዓ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝገበረልኩም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ዝረአኹም ንስኻትኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">“እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ።</verse>
				<verse number="10">እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ ከምታ ሓዲግኩምዋ ዝወፃእኹም ምድሪ ግብፂ፥ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእኻዩ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኮነትን። ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘርኢ ምስ ዘራእኹም ነታኽልቲ ብመስኖ ኽተስትይዎ ላዕልን ታሕትን ብምምልላስ ትደኽሙ ነበርኩም።</verse>
				<verse number="11">እታ ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ግና፥ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ፥ ምድሪ እምባታትን ለሰን እያ።</verse>
				<verse number="12">ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝምልከታ ሃገር እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኵልሻዕ ኣብኣ እዩ።</verse>
				<verse number="13">“ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ።</verse>
				<verse number="14">ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ገራሁኹም ድማ ንእንስሳኻትኩም ሳዕሪ ኽህብ እየ፤ ክትበልዑን ክትፀግቡንውን ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">“ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፥ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ንርእስኹም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="17">እንተ ደኣ ሰጊድኩምሎም ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ እዩ፤ ንሰማይ ዝናም ከየዝንምውን ክዓፅዎ እዩ፤ ምድሪ ድማ ፍረኣ ኣይትህብን እያ፤ ንስኻትኩም ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ልምዕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ድርኵዂት ገዛኹምን ኣብ ማዕፆኹምን ከዓ ፀሓፍዎ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድመኹምን ዕድመ ደቅኹምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘሎ ዘመን ሰማይ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ።</verse>
				<verse number="22">“ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ተመላለሱ፥ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ኵሎም ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ። ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ኣህዛብ ክትወርሱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="24">ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፥ ኣብ ኵላ እትኸድዋ ምድሪ ኽፈርሑኹምን ብኣኻትኩም ክድንግፁን እዮም እሞ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝብል የለን።</verse>
				<verse number="26">“እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ነቲ በረኸት ኣብ እምባ ገሪዛን፥ ነቲ መርገም ከዓ ኣብ እምባ ጌባል ኴንኩም ኣውጅዎ።</verse>
				<verse number="30">እዘን እምባታት እዚኣተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ ዘላ መንገዲ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንፅር ጌልገላ ዘሎ ጐልጐል፥ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ዝነብሩ ከነዓናውያን ዘለዋ እየን።</verse>
				<verse number="31">ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፥ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፥ ክትወርስዋን ክትነብሩላንውን ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">ናብኣ ምስ ኣተኹም ነዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ተጠንቂቕኩም እትፍፅምዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን።</verse>
				<verse number="3">መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፤ እቲ ንምስሊ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕምዶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ሰባብሩ፤ ስሞም ድማ ኻብቲ ቦታ እቱይ ኣጥፍኡ።</verse>
				<verse number="4">“ንኣምላኽኩም ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="5">ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ።</verse>
				<verse number="6">ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="7">ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፤ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ተግባር ኣእዳውኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="8">“ከምዝ ሎሚ እንገብሮ ዘለና፥ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተርኣዮ ኣይግበር፤</verse>
				<verse number="9">ክሳዕ ሕዚ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ርስትን ኣይኣተኹምንሞ።</verse>
				<verse number="10">ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፥ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ፀላእትኹም ከዕርፈኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን፥ ተባዕትዮ መገልገልትኹምን ኣንስትዮ መገልገልትኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሓጐሱ። እቲ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን ዘይብሉ ኣብ ከተማታትኩም ዘሎ ሌዋዊውን ምሳኻትኩም ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="13">ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይተቕርቡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="14">ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓደ ኻብ ነገዳትኩም ዝሓረያ ቦታ ደኣ ኣቕርቡ። እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ኸዓ ኣብኣ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="15">“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ቃሕ ከም ዝበለኩም ኣብ ኵለን ደጌታትኩም ሓሪድኩም ስጋ ብልዑ። ከም ሰስሓን ከም ድኵላን ዝበለ፥ ንፁህ ዝኾነ ሰብን ንፁህ ዘይኮነ ሰብን ይብልዓዮ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ።</verse>
				<verse number="17">ኣስራት ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተመባፃዕኹምዎ መብፅዓኹምን ብፍቓድ ዘምፃእኹምዎ ውህብቶኹምን ንዝለዓል መስዋእቲ ኢድኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይትበልዕዎ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ሌዋዊን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብተግባር ኣእዳውኩም ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብሩሉ ዅሉ ዘመንኩም ንሌዋዊ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="20">“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ዝበለኩም ወሰናትኩም ምስ ኣስፍሐ፥ ስጋ ኽትበልዑ ቓሕ ኢሉኩም ‘ስጋ ደኣ ኽንበልዕ’ እንተ በልኩም፥ ደስ ከም ዝበለኩም ጌርኩም ስጋ ብልዑ።</verse>
				<verse number="21">እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሓድራ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩምኳ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበኩም፥ ካብ ከፍትኹምን ካብ ኣባጊዕኹምን ሓሪድኩም፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸም ቃሕ ዝበለኩም ብልዑ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ሰስሓን ድኩላን ዝብልዓ ብልዕዎ፤ ንፁህ ሰብን ዘይነፅሀን ይብልዓዮ።</verse>
				<verse number="23">ደም ከይትበልዑ ጥራሕ ተጠንቀቑ፤ ህይወት ኣብቲ ደም እዩ እሞ፥ ህይወት ምስ ስጋ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="24">ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ።</verse>
				<verse number="25">ደም እንተ ዘይበሊዕኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ጌርኩም፥ ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ከዓ ንደቅኹም ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="26">“እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="28">ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ኵሉ እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ሓልውዎ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰናይን ቅኑዕን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="29">“ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">ካብ ቅድሜኹም ምስ ጠፍኡ፥ ደድሕሪኣቶም ብምስዓብ ከይትዕንቀፉ፥ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ድማ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ? ንሕናውን ከምኡ ንግበር’ ኢልኩም ከይትጥይቑ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="31">ንኣማልኽቶም ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዘፀይፍ ነገር ይገብሩሎም እዮም። ንኣማልኽቶም ኣወዳቶምን ኣጓላቶምንውን ብሓዊ የቃፅሉሎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="32">“ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">“ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም፥</verse>
				<verse number="2">እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ።</verse>
				<verse number="5">ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትከድዋ ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኸግልሰኩም፥ ካብቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም፥ ካብ ምድሪ ባርነት ድማ ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኽድዐኩም ስለ ዝተዛረበ፥ እቲ ነቢይ እቱይ ወይ እቲ ሓላሚ ሕልምታት እቱይ ይቀተል። በዝ ኸምዙይ ከዓ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="6">“ሓውካ ወዲ እኖኻ፥ ወድኻ፥ ወይ ጓልካ ወይ እትፈትዋ ሰበይትኻ ወይ እተፍቅሮ ዓርክኻ፥ ‘ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፥ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፥</verse>
				<verse number="7">ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥</verse>
				<verse number="8">ሕራይ ኣይትበሎ፤ ኣይትስምዓዮ፤ ኣይትራህርሀሉ፤ ኣይተናሕስየሉ፤ ኣይትሕብኣዮውን።</verse>
				<verse number="9">ፈፂምካ ቕተሎ፤ ንእኡ ንምቕታል ቅድም ናትካ ኢድ፥ ደሓር ከዓ ኢድ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን።</verse>
				<verse number="10">ካብቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከርሕቐኩም ደልዩ እዩ እሞ፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም።</verse>
				<verse number="12">“ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብሩለን እግዚኣብሄር ዝህበኩም ከተማታት፥ ክፉኣት ሰባት ካባኻትኩም ተሲኦም፥ ‘ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ’ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሒቶምዎም ክብሉ እንተ ሰማዕኹም፥</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ሽዑ ጠይቑ፤ ብጥንቃቐ ኸዓ መርምሩ። እንሆ ድማ፥ እዝ ነውሪ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዝተገብረ፥ ሓቅን ርግፅን እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="15">ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምኩም ወድእዎም፤ ንሳን ኣብኣ ዘለዉ ዅሎምን ነውራማት እዮም እሞ፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንኸፍታቶምውን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእወን።</verse>
				<verse number="16">ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ።</verse>
				<verse number="17">“ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተ ሓሊኹም ቅኑዕን ሰናይን ተግባር እንተ ጌርኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እውን እንተ ሰሚዕኹም፥ ንሱ ምሕረት ክገብረልኩም ክርህርሀልኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ከዓ ኸብዝሐኩም እዩ።”</verse>
				<verse number="18"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተቐደሰ ህዝቢ ኢኹምሞ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮንዎ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻትኩም ሓረየኩም።</verse>
				<verse number="3">“ርኹስ ዝኾነ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="4">እትበልዕዎም እንስሳት እዚኣቶም እዮም፦ ብዕራይ፥ በጊዕ፥ ጤል፥</verse>
				<verse number="5">ድኩላ፥ ሰስሓ፥ ዓጋዘን፥ ጤል በረኻ፥ ዘራፍ፥ ሜዳቝ፥ ቶራ።</verse>
				<verse number="6">ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ፥ ዘመዅስዕ ኵሉ እንስሳ ብልዑ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ዘመዅስዑ፥ ሸዀናኦምውን ካብ ዝተመቕለ፥ እዞም ዝስዕቡ ኣይትብልዑ፦ ግመል፥ ማንቲለ፥ ጊሐ። እዚኣተን የመዅስዓ እየን፥ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን እሞ፥ ርኹሳት ይኹናኹም።</verse>
				<verse number="8">ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ።</verse>
				<verse number="9">“ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዙይ እዩ፦ ኵሉ ኽንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ብልዑ።</verse>
				<verse number="10">ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፤ እዙይ ርኹስ ይኹንኩም።</verse>
				<verse number="11">“ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።</verse>
				<verse number="12">ካብኣተን ከዓ ዘይትበልዕወን እዘን ዝስዕባ እየን፦ ንስሪ፥ ጋማት፥ ወሓጥ ዓሳ፥</verse>
				<verse number="13">ሊሎ፥ በላዕ ልኻይ፥ ፃዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="15">ሰገን፥ ጉጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፥</verse>
				<verse number="16">ንእሽተይ ጉጓ፥ ዓባይ ጉጓ፥ ቀራን ጉጓ፥</verse>
				<verse number="17">ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ ሓሓት፥</verse>
				<verse number="18">ራዛ፥ ሰብፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምበሃረጆ፥ ምንኪዕ።</verse>
				<verse number="19">“ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ ለመምታ ኸዓ ርኹስ ይኹንኩም፤ ኣይትብልዕዎ።</verse>
				<verse number="20">ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።</verse>
				<verse number="21">“ንስኻትኩምስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ዝኾነ ሞይቱ ዝተረኽበ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ኸተማኹም ንዘሎ ስደተኛ ሃብዎ። ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጥዎ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።</verse>
				<verse number="22">“ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትኩም ዝርከብ ዅሉ እቶትኩም ዓስራት ሃቡ።</verse>
				<verse number="23">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምፍራሕ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትመሃሩስ፥ ነቲ ዓስራት ስርናይኩም፥ ወይንኹም፥ ዘይትኹም፥ በዅሪ ኸፍትኹም፥ ኣባጊዕኹም፥ ኣብታ ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="24">እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ምስ ባረኸኩም፥ እታ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩም እሞ መንገዲ ስለ ዝነውሐኩም፥ ናብኣ ኽተምፅእዎ እንተ ዘይተኽኣለኩም፥</verse>
				<verse number="25">ሽጥዎ እሞ፥ እቲ ገንዘብ ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።</verse>
				<verse number="26">በቲ ገንዘብ እቱይ ኵሉ ቓሕ ዝበለኩም ላሕሚ፥ በጊዕ፥ ወይንን ብርቱዕ መስተን፥ ወይ ካልእ ቃሕ ዝበለኩም ዓድጉ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብኡ ብልዕዎ፥ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ከዓ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ሌዋዊ ድማ፥ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን የብሉን እሞ፥ ሸለል ኣይትበልዎ።</verse>
				<verse number="28">“በብመወዳእታ ሰለስተ ዓመት ካብ ኵሉ ናይታ ዓመት እቲኣ እቶትኩም፥ ዓስራት ኣውፂእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ኣክብዎ።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ እትገብርዎ ተግባር ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩም፥ እቲ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋዊን እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ይምፅኡ እሞ ይብልዑን ይፅገቡን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">“ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ናይ ዕዳ ምሕረት ግበር።</verse>
				<verse number="2">ከምዝ ዝስዕብ ጌርኩም መሓርዎ፦ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብፃዩ ዘለቅሖ ይሕደገሉ፤ እግዚኣብሄር ስርየት ዕዳ ኣዊጁ እዩ እሞ፥ እቲ መለቅሒ ኻብ ብፃዩን ካብ ሓዉን ኣይድለዮ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ጓና ድለዮ እምበር፥ ኣብ ሓውካ ዘለካ ግና ሕደገሉ።</verse>
				<verse number="4">ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘውርሰኩም ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ብርግፅ ክባርኸኩም እዩ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልውዎን ፈፅምዎን፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ደኣ ስምዕዎ እምበር፥ ኣብ ማእኸልኩም ድኻ ኣይርከበኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም ክባርኸኩም እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይትልቅሑን ኢኹም። ንብዙሓት ህዝብታት ክትገዝኡ ኢኹም፥ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኹምን እዮም።</verse>
				<verse number="7">“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደገታትኩም ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ሓደ እንተ ደኸየ፥ ልብኹም ኣይተፅንዑሉ፤ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሓውኩም፥ ኢድኩም ኣይትጨብጡ።</verse>
				<verse number="8">ኢድኩም ዘርጊሕኹም ደኣ ብልግሲ ሃብዎ፤ ዘድልዮ ኸዓ ኣለቅሕዎ።</verse>
				<verse number="9">‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ።</verse>
				<verse number="10">ፈቲኹም ሃብዎ፤ ንእኡ ብምሃብኩምውን ልብኹም ኣይናሳሕ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ስራሕኹምን ተግባር ኢድኩምን ክባርኸኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">“ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ።</verse>
				<verse number="13">ሓራ ኣውፂእኹም ክትሰድዎ እንተለኹም ድማ፥ ጥራሕ ኢዱ ኣይትስደድዎ።</verse>
				<verse number="14">ካብ መጓሰኹምን ካብ እኽልኹምን ካብ ወይንኹምን ብልግሲ ሃብዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸኩም መጠን ሃብዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ከም ዘድሓነኩም ዘክሩ፤ ስለዙይ ድማ እየ ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።</verse>
				<verse number="16">“ባርያኻ ግና ምሳኻ ስለ ዝመቸዎ፥ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ ‘ካባኻ ኣይወፅእን’ እንተበለካ፥</verse>
				<verse number="17">ሽዑ፥ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕፆ ጌርካ ስቘሮ፤ ንሓዋሩውን ግዙእኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበር።</verse>
				<verse number="18">ካባኻ ሓራ እንትተውፅኦ ኣይኽበድካ፤ እቲ ንሱ በዘን ሽዱሽተ ዓመታት ዝሃበካ ኣገልግሎት ዕፅፊ ናይቲ ዕሱብ ኣገልጋሊ ዝግመት እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ እትገብሮ ኽባርኸካ እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ካብ ኵሉ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተወልደ ተባዕታይ በዅሪ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍለይዎ። ብበዅሪ ብዕራይኩም ኣይትስርሑ፤ ፀጕሪ በዅሪ በጊዕኹም ድማ ኣይትቝረፁ።</verse>
				<verse number="20">ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ቦታ በብዓመቱ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="21">ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ውሽጢ መረባኻትኩም ብልዕዎ። ከምቲ ንሰስሓን እራብን እትበልዕዎ ጌርኩም፥ ንፁህን ዘይንፁህን ሰባት ብሓደ፥ ዄንኩም ብልዕዎ።</verse>
				<verse number="23">ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ደሙ ኣይትብልዑ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ።</verse>
				<verse number="2">ኣብታ እግዚኣብሄር ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኣባጊዕኹም ወይ ካብ ከፍትኹም ፋሲካ ሕረዱ።</verse>
				<verse number="3">ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="4">ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ምድሪኹም ብዅዕ ኣይረአ። በታ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ዝሓረድኩምዎ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።</verse>
				<verse number="5">“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ኻልእ ከተማ በጊዕ ፋሲካ ኽትሓርዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብኣ በታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ ጊዜ፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ሕረድዎ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ነቲ ሕሩድ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልኩም ብልዕዎ። ንፅባሒቱ ድማ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="8">ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="9">“ካብታ ምዕፃድ እኽሊ እትጅምሩላ ሸውዓተ ሰሙን ቍፀሩ።</verse>
				<verse number="10">ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረኸት ከዓ ብፍቓድኩም ዝወሃብ መባእ ኣቕሪብኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በዓል ሰሙናት ኣብዕሉ።</verse>
				<verse number="11">ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ እሞ፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ ግበሩዎውን።</verse>
				<verse number="13">“ፍርያት ካብ ዓውድኹምን ካብ መፅመቝ ወይንኹምን ምስ ኣከብኩም፥ በዓል ዳስ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዕሉ።</verse>
				<verse number="14">ምስ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን መገልገሊኹምን መገልገሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ድማ ብበዓልኩም ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ እቶትኩምን ብዅሉ ስራሕኹምን ክባርኸኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም እሞ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕሉ።</verse>
				<verse number="16">“ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ።</verse>
				<verse number="17">ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ከከም ክእለትኩም ሃቡ።</verse>
				<verse number="18">“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።</verse>
				<verse number="19">ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።</verse>
				<verse number="20">ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ እውን ኽትወርሱስ ፍፁም ቅንዕና ተኸተሉ።</verse>
				<verse number="21">“ኣብ ጥቓ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትሰርሕዎ መሰውኢ፥ ዝኾነ ናይ ኣምልኾ ዓፀድ ኣይትትከሉ።</verse>
				<verse number="22">ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዓምዲ ንኣኻትኩም ኣይተቑሙ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">“ብዕራይ ኮነ በጊዕ፥ ኣበር ዘለዎ ወይ ጐደሎ ዘለዎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።</verse>
				<verse number="2">“ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥</verse>
				<verse number="3">ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ እንተ ነገሩኹም፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ እስራኤል ከም ዝተገብረ፥ ነገሩ ብርግፅ ሓቂ እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዝቕተል ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይቀተል፤ ብኣፍ ሓደ ምስክር ጥራሕ ግና ኣይቀተል።</verse>
				<verse number="7">ንምቕታሉ ቕድም እቶም መሰኻኽር፥ ደሓር ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ እምኒ ይደርብየሉ። ከምዙይ ጌርኩም ንኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="8">“ኣብ መንጎ ደምን፥ ደምን፥ ኣብ መንጎ ፍርድን፥ ፍርድን፥ ኣብ መንጎ ምቝሳልን፥ ምቝሳልን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ሰባት ስለ ዝከራኸርዎ ኽርክር ንምፍራድ ዝፀገመኩም እንተ ሃልዩ፥ ተሲእኹም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።</verse>
				<verse number="9">ናብቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናትን ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ፈራድን ኣቲኹም ጠይቕዎም፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ክነግሩኹም እዮም።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኹም ነገር ግበሩ፤ ከምቲ ዝመሃሩኹም ኵሉ ተጠንቂቕኩም ግበሩ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ ዝመሃሩኹም ሕግን ከምቲ ዝነገሩኹም ፍርድን ግበሩ። ካብቲ ዝገለፁልኩም ነገር ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበሉ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርሕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይዕበን እዩ።</verse>
				<verse number="14">“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኣቲኹም ምስ ወረስኩምዋን ምስ ተቐመጥኩምዋን፥ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፥ ንጉስ ኣብ ልዕሌና ነንግስ’ እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="15">ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓርዮ ኸም ዝነግስ ግበሩ። ካብ ህዝብኹም ደኣ ኣንግሱ እምበር ጓና ኣይተንግሱ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ልቡ ምእንቲ ኸይስሕት ኣንስቲ ንባዕሉ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከዓ እምብዛ ኣይኣክብ።</verse>
				<verse number="18">“ኣብ ዙፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፥ ካብቲ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዘሎ ሕጊ፥ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፍ።</verse>
				<verse number="19">ፍርሓት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝበለፀ ኾይኑ ኸይስምዖ፥ ካብቲ ትእዛዝ ከዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይብል፥ ንሱን ደቁን ኣብ ማእኸል እስራኤል መዓልቲታት መንግስቶም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ናይዝ ሕጊ እዙይ ቃልን እዝ ትእዛዛት እዙይን ተጠንቂቑ ምእንቲ ኽፍፅም እቲ መፅሓፍ ምስኡ ይኹን፤ ብዅሉ መዋእል ህይወቱውን የንብቦ።”</verse>
				<verse number="20"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ኻህናት ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፤ ክንድኡ ግና ነቲ ብሓዊ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእትን መባእን ይመገቡ፤ ንሱ ርስቶም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ምስ ኣሕዋቶም ከዓ ርስቲ ኣይሃልዎም፤ ግና፥ ከምቲ ዘተስፈዎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="3">“ካብቶም ብዕራይ ኮነ በጊዕ ዝስውኡ ህዝቢ ከዓ፦ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን፥ ንኻህናት እዩ ዝግባእ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ካህናት ምስ ደቆም ኵልሻዕ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቖሙ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ንኣኣቶም ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ቀዳማይ ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ቀዳማይ ፀጕሪ በጊዕኹምንውን ንኣኣቶም ሃብዎም።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">“ሓደ ሌዋዊ ኻብታ ዝነብረላ ኸተማ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ብድሌቱ እንተ መፀ፥</verse>
				<verse number="7">ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል።</verse>
				<verse number="8">ብዘይ እቲ ኻብ ኣቦታቱ ዝተሸጠ ሃብቱ፥ ምስቶም ካልኦት ካህናት ማዕረ ተኻፊሉ ይውሰድ።</verse>
				<verse number="9">“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነቲ እቶም ኣህዛብ ዝገብርዎ ርኹስ ነገራት ከይትመሃሩ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="10">ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥</verse>
				<verse number="11">ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ።</verse>
				<verse number="12">እዝ ነገር እዙይ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ። ብሰንኪ እዝ ርኽሰት እዙይ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቶም ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍፁማት ኩኑ።</verse>
				<verse number="14">“እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ኣህዛብ፥ ስብሒ ንዝገልፁን ንጠንቈልትን እዮም ዝሰምዑ፤ ንኣኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምዙይ ዝበለ ኸይትገብሩ ኸልከለኩም።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ።</verse>
				<verse number="16">በታ ኣብ ኮሬብ ዝተኣከብኩምላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ‘ምእንቲ ኸይንመውት መሊስና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይንስማዕ፤ እዝ ዓብዪ ሓዊ እዙይ ድማ ደጊም ኣይንርአ’ ኢልኩም ለመንኩምዎ።</verse>
				<verse number="17">“እግዚኣብሄር ከዓ ‘እቲ ዝተዛረብዎ ፅቡቕ እዩ በለኒ።</verse>
				<verse number="18">ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።</verse>
				<verse number="19">ብስመይ ክዛረብ እዩ፤ ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ኽቐፅዖ እየ።</verse>
				<verse number="20">ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።</verse>
				<verse number="21">“ብልብኹም ድማ ‘እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ?’ እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="22">እቲ ነቢይ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረበ፥ እቲ ነገር እንተ ዘይኮነ፥ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ እቲ ነገር፥ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ምዃኑ ምልክት ይኹንኩም። እዙይ እቲ ነቢይ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፤ ኣይትፍርሕዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">“ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥</verse>
				<verse number="2">ኣብ ማእኸል እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዎ ዝህበኩም ምድሪ ሰለስተ ኸተማታት ንባዕልኹም ፍለዩ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ወሰን ምድሪኹም ኣብ ሰለስተ ምቐልዎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ሰብ ዝቐተለ ናብኣተን ምህዳም ምእንቲ ክኽእል ከዓ ናብተን ከተማታት ዝወስድ መንገዲ ፅረጉ።”</verse>
				<verse number="4">ብዛዕባ ቐታሊ ነፍሲ ዝግበር እዙይ እዩ፦ “ናብኣተን ዝሃድም ቐታሊ ሰብ ዝድሕን ከዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ እንተ ቐተለ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንኣብነት ዕንፀይቲ ኽቘርፅ ምስ ብፃዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፥ ኦም ክቘርፅ ኢሉ ማሕፀ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፥ እቲ ሓፂን ከዓ ኻብ ሓኽሊ ነፂሉ ነቲ ብፃዩ እንተ ወቕዖሞ፥ እንተ ሞተ፥ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኣተን ሃዲሙ ብህይወት ይንበር።</verse>
				<verse number="6">እታ መዕቘቢት ዝኾነት ከተማ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ኾነት ግና ርሕቕቲ ኽትከውን ስለ እትኽእል፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኣርኪቡ ብንደት ክቐትሎ ይኽእል እዩ። እቲ ቐታሊ ሰብ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ስለ ዘይነበሮ ሞት ኣይግብኦን እዩ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኣነ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለዩ’ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም፥ ምድሪኹም ምስ ኣግፍሐልኩም፥ እቲ ነቦታትኩም ክህቦም ዘተስፈዎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ምስ ሃበኩም፥</verse>
				<verse number="9">ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ኣፍቂርኩምዎ፥ ኵልሻዕ ድማ ብመንገዱ እንተ ኼድኩም፥ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኣተን ንኣኻትኩም ካልኦት ሰለስተ ኸተማታት ኽትውስኹ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ከዓ ኣብ ማእኸል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ ንፁህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ብደም ተሓተትቲ ኸይትኾኑ እዩ።</verse>
				<verse number="11">“ግና ሓደ ሰብ ንብፃዩ እንተ ፀልኦ፥ ኣድብዩ ፀኒሑ ድማ ኽሳዕ ዝመውት እንተወቕዖ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከዓ እንተ ሃደመ፥</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ልኢኾም ካብኣ ይውሰድዎ፤ ናብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ እሞ ይቀተል።</verse>
				<verse number="13">ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ነቲ ንፁህ ደም ዘፍሰሰ ኻብ እስራኤል ኣወግድዎ እምበር ዓይንኹም ኣይተናሕስየሉ።</verse>
				<verse number="14">“ኣብቲ እትወርስዎ ርስትኹም፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመሓላለፈልኩም ርስቲ እቶም ቀዳሞት ዝደረትዎ፥ ደረት ብፃይኩም ኣይትድፍኡ።”</verse>
				<verse number="15">“ዝኾነ በደል ወይ ሓጢኣት እንተ ተፈፀመ፥ ብሓደ ምስክር ኣይፅናዕ። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="16">“ሓደ ሰብ ብሓሰት ንኻልእ ሰብ እንተ ኸሰሰ፥</verse>
				<verse number="17">ክልቲኦም ተበኣስቲ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ ፈራዶን ኣብቲ ስም እግዚኣብሄር ዝፅወዐሉ ቦታ ይቑሙ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ፈራዶ ድማ ኣፀቢቖም ይመርምሩ። እቲ ኸሳሲ፥ ንሓዉ ዝኸሰሰ፥ ብሓሰት እንተ ኾይኑ</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኽገብሮ ዝሓሰበ፥ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ድማ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ኽሰምዑን ክፈርሑን እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገርውን ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ ፍደይዎ እምበር ኣይተናሕስዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።</verse>
				<verse number="2">ናብ ውግእ ምስ ቀረብኩም እቲ ኻህን ነቲ ሰራዊት</verse>
				<verse number="3">‘ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም፤ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፥ ምስ ፀላእትኹምውን ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትደንግፁ፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ኣይትጃጅዉ’ ይበል።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">“እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቶም ህዝቢ ‘ሓድሽ ገዛ ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ? ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱ ድማ ይመለስ።</verse>
				<verse number="6">ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ፍረኡ ዘይበልዐ፥ ኣብ ውግእ ከይመውት፥ ካልእ ሰብ ድማ ኸይሕጐሰሉስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ።</verse>
				<verse number="7">ጓል ዝተሓፅየ ሰብ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ? ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዐዋስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ኢሎም ይዛረብዎም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ፥ ኣሕሉቕ ይሹሙ።</verse>
				<verse number="10">“ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግእዋ ኢልኩም ምስ ቀረብኩም፥ ቅድም ንዕርቂ ፀውዕዋ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ህዝቢ ብሰላም ደገ እንተ ኸፈቱልኩም፥ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝተረኽቡ ግዙኣትኩም ይኹኑ እሞ የገልግሉኹም።</verse>
				<verse number="12">ዕርቂ ኣብዮም ክዋግኡ እንተ ደለዩ ግና ነታ ኸተማ ኽበብዋ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም ድማ፥ ንዅሉ ተባዕታይ ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎ።</verse>
				<verse number="14">ኣንስትን ህፃናትን እንስሳን፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉ ምርኮኣን ንኣኻትኩም ውሰድዎ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ኽትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ነተን ካባኻትኩም የመና ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት፥ ካብ ከተማታት እዞም እትወርስዎም ዘለኹም ኣህዛብ ዘይኮናውን፥ ከምኡ ግበርወን።</verse>
				<verse number="16">“ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ።</verse>
				<verse number="17">ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንሔዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ግና፥ ከምቲ ዅሉ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ርኽሰቶም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">“ንሓንቲ ኸተማ፥ ምእንቲ ኽትሕዝዋ ብዙሕ መዓልቲ እንትትከብዋ፥ ኣእዋማ ብማሕፀ ኣይትቝረፁ። ካብኣተን ፍረ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፥ ኣይትቝረፅወን። ዝዋግኡኹም ሰባት እምበር ኣእዋም ኣይኮኑንሞ።</verse>
				<verse number="20">እተን ከም ዘይብልዓ እትፈልጡወን ኣእዋም ጥራሕ ቍረፁ። እታ እትዋግእዋ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፥ ብእኡ ጌርኩም መኽበቢኣ ስርሑ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝተቐትለ ሰብ ኣብ በረኻ ወዲቑ እንተ ተረኽበ፥ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ፥</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ዓበይትኹምን ፈራዶኹምን ከይዶም ካብቲ ሬሳ ዘለዎ ኽሳዕ እተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ዘሎ ርሕቐት ይዓቅኑ።</verse>
				<verse number="3">ብድሕሪዙይ እቶም ሹመኛታት ናይታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፥ ንማሕረስ ዘይበቕዐት፥ ተቖሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ።</verse>
				<verse number="5">ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ ጉድኣትን ከዓ ኸም ቃሎም ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="6">ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዅሎም ሹመኛታት እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ሩባ ኽሳዳ ዝተሰብረት ዓርሒ ኣእዳዎም ይተሓፀቡ።</verse>
				<verse number="7">ኣስዒቦም ድማ ‘ኢድና ነዝ ደም እዙይ ኣየፍሰሰትን፥ ዓይንናውን ኣይረኣየትን።</verse>
				<verse number="8">ኦ እግዚኣብሄር! ነዝ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፤ በዝ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ድማ ኸም በዳሊ ኣይትቝፀሮ’ ኢሎም ይፀልዩ። በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ከዓ ይሕደገሎም።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ ጌርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምግባርኩም በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ካብ ማእኸልኩም ተርሕቑ።</verse>
				<verse number="10">“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም እንተ ማረኽኩምዎም፥</verse>
				<verse number="11">ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዐኛታት ኣንስቲ እንተ ረአኹም እሞ ኣንስትኹም ክትገብርወን እንተ ደለኹም ተመርዓዉወን።</verse>
				<verse number="12">ናብ ውሽጢ ኣባይትኹም ኣእትዉወን፤ ርእሰን ይላፀያ፤ ፅፍረንውን ይቈረፃ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና።</verse>
				<verse number="14">ብድሕሪኡ እንተ ዘይደሊኹምወን፥ ናብ ዝደለያኦ ክኸዳ ስደድወን። ንገንዘብ ግና ኸቶ ኣይትሽጥወን፤ ኣሕሲርኩምወን ኢኹም እሞ፥ ከም ባርያ ኣይትቝፀርወን።</verse>
				<verse number="15">“ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ፥ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ድማ ፅልእቲ እንተ ሃልየናኦ እሞ፥ ክልቲኣተን ውሉድ እንተ ወለዳ፥ እቲ በዅሪ ኸዓ ወዲ እታ ፅልእቲ እንተ ኾነ፥</verse>
				<verse number="16">በታ ገንዘቡ ንደቁ ዘውርሰላ መዓልቲ፥ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ወዲ እታ ፅልእቲ የውርሶ እምበር፥ ብኣድልዎ ንወዲ እታ ፍትውቲ ኣየውርሶ።</verse>
				<verse number="17">ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ።</verse>
				<verse number="18">“ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥</verse>
				<verse number="19">ኣቦኡን እኖኡን ሒዞም ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማኡ ናብ ደገ ባይቶ ይውሰድዎ።</verse>
				<verse number="20">‘እዝ ወድና እዙይ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ንቓልና ዘይሰምዕ፥ ስሱዕን ሰካርን እዩ’ ይበልዎም።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።</verse>
				<verse number="22">“ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥</verse>
				<verse number="23">ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">“ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ዋናኡ ኣብ ጥቓኹም እንተ ዘይኮነ፥ ወይ መን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጥኩምዎ፥ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትኩም ውሰድዎ፤ እቲ ዋናኡ ኽደልዮ ኽሳዕ ዝመፅእ ምሳኻትኩም ይፅናሕ እሞ፥ ምስ መፀ ትህብዎ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡ እውን ናይ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ኣድጉ ወይ ክዳኑ ወይ ኣቕሓ ጠፊኡ እንተ ረኸብኩም ከምኡ ግበሩ፤ ክጠፍእውን ኣይትሕደግዎ።</verse>
				<verse number="4">“ኣድጊ እስራኤላዊ ሓውኩም ወይ ብዕራዩ ኣብ መንገዲ ወዲቑ እንተ ረአኹም፥ ምስኡ ዄንኩም ሓጊዝኩም ኣተስእዎ እምበር ከም ዘይረአኹም ኣይትሕለፉ።</verse>
				<verse number="5">“ሰበይቲ፥ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፤ ሰብኣይ ከዓ ኽዳን ሰበይቲ ኣይከደን፤ ኵሉ ኸምዙይ ዝገብር ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተፀልአ እዩሞ።</verse>
				<verse number="6">“ንቕድሜኹም ኣብ መንገዲ፥ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ጨቓዊታ ወይ እንቍላሊሓ ሓቚፋ እንተላ፥ ነቶም ጨቓዊት ወይ እንቍላሊሕ ሓቚፋ እንተ ረኸብኩም፥ ነታ እኖ ምስ ጨቓውታ ኣይትውሰዱ።</verse>
				<verse number="7">ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ መዋእልኩም ከዓ ኽነውሕ፥ ነታ እኖ ኽትከይድ ስደድዋ፤ ነቶም ጨቓዊት ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎም።</verse>
				<verse number="8">“ሓድሽ ገዛ ኽትሰርሑ እንተለኹም፥ ሰብ ካብኡ ኸይፀድፍ እሞ ንቤትኩም ናይ ደም በደል ከይተምፅኡላ ንናሕስኹም መደገፊ ግበሩሉ።</verse>
				<verse number="9">“ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፥ እቲ ዝዘራእኹምዎ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይጠፍአኩም ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኡ።</verse>
				<verse number="10">“ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ፀሚድኩም ኣይትሕረሱ።</verse>
				<verse number="11">“ካብ ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ተሓዊሱ ዝተኣለመ ዓለባ ኣይትከደኑ።</verse>
				<verse number="12">“እቲ እትኽደንዎ ኽዳንኩም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበሩሉ።</verse>
				<verse number="13">“ሓደ ሰብ ጓል ተመርዕዩ፥ ምስ ኣእተዋ እንተ ፀልኣ፥</verse>
				<verse number="14">እንተ ኣፀለማ፥ ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ተመርዕየያ፥ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ብሓሰት ክፉእ ስም እንተ ኣውፅአላ፥</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ እታ ጓል ብድንግልና ኸም ዝፀንሐት መረዳእታ ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማ ናብ ባይቶ የቕርቡ።</verse>
				<verse number="16">ኣቦ እታ ጓል ከዓ ነቶም ሹመኛታት ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ጓለይ ሰበይቱ ኽትከውን ሃብክዎ፤ ንሱ ግና ፀልኣ።</verse>
				<verse number="17">እንሆ ድማ ንጓለይ “ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ኣካፍኣ። መረዳእታ ድንግልና ጓለይ ግና እንሆ እዝ መንፀፋ እዩ’ ይበሎም። ነቲ ኽዳና ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕፅዕዎ።</verse>
				<verse number="19">ንሓንቲ እስራኤላዊት ድንግል ክፉእ ስም ስለ ዘውፅአላ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር የዕድይዎ። እቲ ገንዘብ ድማ ነቦ እታ ጓል ይሃብዎ። ንሳ ግና ናብ ሰብኣያ ትመለስ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱውን ኣይፍትሓያ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾይኑ ግና፥ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፥</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውፅእዋ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተላ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፥ እቶም ሰብ እታ ኸተማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዋ፤ ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="22">“ሰብኣይ፥ ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ደቂሱ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="23">“ንሰብኣይ ዝተሓፅየት ድንግል፥ ካልእ ሰብኣይ ከዓ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥</verse>
				<verse number="24">እታ ጓል፥ ኣብ ከተማ እንተላ ስለ ዘየእወየት፥ እቲ ሰብኣይ ከዓ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዘነወረ፥ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውፂእኹም፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎም፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="25">“ግና እቲ ሰብኣይ ነታ ሕፅይቲ ጓል ኣብ በረኻ እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ በይኑ ይቀተል።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ግና ኽፉእ ኣይትግበሩ። እዝ ሰብኣይ ንብፃዩ ተሲኡ ዳርጋ ዝቐተሎ እዩ እሞ፥ እታ ጓል ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል የብላን።</verse>
				<verse number="27">ዝረኸባ ደኣ ኣብ በረኻ ኾይኑ እዩ እምበር፥ ንሳ፥ እታ ሕፅይቲ ጓልስ ኣእውያ ነይራ እያ፤ ዘናግፋ ግና ኣይተረኽበን።</verse>
				<verse number="28">“ሓደ ሰብ ሓንቲ ዘይተሓፅየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ ኸዓ እንተ ተረኽቡ፥</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ ነቲ ኣቦ ጓል ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ይሃቦ። ኣነዊርዋ እዩ እሞ ሰበይቱ ትኹን። ብዅሉ ዘመኑ ድማ ኣይፍትሓያ።</verse>
				<verse number="30">“ሓደ ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣየእቱ፥ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ብምድቃስ ነቦኡ ኣየነውሮ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">“ፍረ ነፍሱ ዝተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ ዝተሰልበ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="2">“ድቓላ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲውን ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="3">“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።</verse>
				<verse number="6">ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።</verse>
				<verse number="7">“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።</verse>
				<verse number="8">ካብ ሳልሳይ ትውልዲ ዝተወለዱ ደቆም ናብ ጉባኤ እግዚኣብሄር ይእተዉ።</verse>
				<verse number="9">“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ወፂእኹም ክትሰፍሩ እንተለኹም፥ ክፉእ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ሰብነትኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="10">ካባኻትኩም ሓደ ብለይቲ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ፥ ካብ ሰፈር ወፂኡ ኣብ ደገ ይፅናሕ፤ ናብ ሰፈርውን ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="11">ኣጋ ምሸት ድማ ማይ ይተሓፀብ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበ ኸዓ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ።</verse>
				<verse number="12">“ኣብ ወፃኢ ሰፈር፥ ቀልቀል እትወፁሉ ቦታ ይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="13">ምስ ኣፅዋርኩም መዅዓቲ ሓዙ፤ ቀልቀል ምስ ወፃእኹም በቲ መዅዓቲ ጕድጓድ ኵዒትኩም ነቲ ቐልቀልኩም ቅበርዎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።</verse>
				<verse number="15">“ካብ ጐይታኡ ዀብሊሉ ናባኻትኩም ዝተዓቘበ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍኩም ኣይትሃብዎ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ዝደለዮ ኸተማን ኣብ ዝመረፆ ቦታን ምሳኻትኩም ይቀመጥ፤ ኣይትጨቍንዎውን።</verse>
				<verse number="17">“ካብ ኣጓላት እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትሃሉ፤ ካብ ኣወዳት እስራኤልውን ኣብ ተባዕታይ ዘመንዝር ኣይሃሉ።</verse>
				<verse number="18">ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።</verse>
				<verse number="19">“ካብ እስራኤላዊ ሓውኩም፥ ሃረፃ ገንዘብ ኮነ ሃረፃ እኽሊ፥ ወይ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ሃረፃ ኣይትቀበሉ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ጓና ደኣ ሃረፃ ተቐበሉ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ስራሕኹም ምእንቲ ኽባርኸኩምስ፥ ካብ ሓውኩም ሃረፃ ኣይትቀበሉ።</verse>
				<verse number="21">“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኹም፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ይፅበዮ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ከይኾነኩም፥ መብፅዓኹም ቀልጢፍኩም ፈፅሙ።</verse>
				<verse number="22">እንተ ዘይተመባፃዕኹም ግና ሓጢኣት የብልኩምን።</verse>
				<verse number="23">እቲ ኻብ ከናፍርኹም ዝወፀ፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብፍታውኩም ዝተመባፃዕኹምዎ፥ ኣፍኩም ዝተዛረቦ፥ ሓልዉዎን ፈፅሙዎን።</verse>
				<verse number="24">“ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ።</verse>
				<verse number="25">ናብ ዝሩእ ብፃይኩም ምስ ኣተኹም ሸዊት ብኢድኩም ቀፂኹም ብልዑ፤ ዓፂድኩም ግና ኣይትውሰዱ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">“ሓደ ሰብ ሰበይቲ እንተእተወ፥ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ ይስደዳ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ቤቱ ወፂኣ ድማ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዓወት፥</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ፀልኣ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ እንተ ሰደዳ፥ ወይ ድማ እንተ ሞተ፥</verse>
				<verse number="4">ስለ ዝረኸሰት እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፥ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን እዩ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ ሓጢኣት ኣይተምፅኡላ።</verse>
				<verse number="5">“ሓደ ሰብ ምስ ተመርዐወ ናብ ውግእ ኣይውፃእ፤ ካልእ ማሕበራዊ ሓላፊነት ድማ ኣይፅዓንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ገዛኡ ሓራ ይኹን፤ ነታ ዘእተዋ ሰበይቱውን የሐጕሳ።</verse>
				<verse number="6">“ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕጃ ገይሩ መጥሓንን መዲድን ኣይውሰድ፤ ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ምውሳድ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="7">“ሓደ ሰብ፥ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፥ ባርያ ኽገብሮ ወይ ክሸጦ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ሰራቒ እቱይ ይቀተል፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="8">“ሕማም ለምፂ እንተ ሓዘኩም፥ ከምቲ ዅሉ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም ግበሩ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎምውን ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እቲ ኻብ ግብፂ ወፂእኹም ኣብ መንገዲ እንተለኹም፥ ኣብ ሚርያም ዝገበሮ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="10">“ንብፃይኩም ዝኾነ ልቓሕ እንትተለቅሕዎ፥ ትሕጃ ኽትወስዱ ናብ ገዛኡ ኣይትእተዉ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ደገ ደው ኢልኩም ፅንሑ፤ እቲ ዘለቃሕኹምዎ ሰብ ነቲ ትሕጃ ናብ ደገ ናባኻትኩም የውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ ነቲ መትሓዚ ምሳኻትኩም ኣይተሕድርዎ።</verse>
				<verse number="13">ተኸዲንዎ ምእንቲ ኽድቅስ፥ ነቲ ኽዳን ለይቲ፥ ብዓራርቦ ፀሓይ ምለሱሉ፤ ንሱውን ኽምርቐኩም እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ፅድቂ ኽቝፀረልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">“ንድኻን ፅጉምን ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ፥ እስራኤላዊ ኾነ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኣይተጨንቕዎ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድኻ፥ ትፅቢቱ ድማ ኻብ ውዕለቱ እዩ እሞ፥ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት ሃብዎ፤ እንተ ዘይኮነ ናብ እግዚኣብሄር ክጠርዕ እዩ፤ ሓጢኣት ድማ ክኾነኩም እዩ።</verse>
				<verse number="16">“ኣቦታት ብሓጢኣት ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቆምውን ብሓጢኣት ኣቦታቶም ኣይቀተሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይቀተል።</verse>
				<verse number="17">“ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ኻብኣ ኸም ዘድሓነኩምን ዘክሩ። ስለዙይ ድማ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።</verse>
				<verse number="19">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩምስ፥ እኽልኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕኹም፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፥ ክትወስድዎ ኣይትመለሱ።</verse>
				<verse number="20">ፍረ ኣውሊዕኹም ክተርግፉ እንተለኹም፥ መሊስኩም ኣብ ጨንፈር ዘሎ ኣይትእረዩ፤ ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።</verse>
				<verse number="21">ወይንኹም ክትቅንጥቡ እንተለኹምውን፥ መሊስኩም ኣይትቐርምዎ። ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ስለዙይ ከዓ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">“ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ በዳሊ መግረፍቲ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ፈራዲ፥ ብኣፍ ልቡ ናብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ፥ ከም ልክዕ በደሉ ብቝፅሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ።</verse>
				<verse number="3">ይኹን እምበር ካብ ኣርብዓ ዝበዝሕ ኣየግርፎ፤ እስራኤላዊ ሓውካ ኣብ ቅድሜኻ ኸይሓስር ካብ ኣርብዓ ኣይብዛሕ።</verse>
				<verse number="4">“እኽልኻ እንትተኽይድ ኣፍ ብዕራይ ኣይትልጐም።</verse>
				<verse number="5">“ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፥ እቲ ሓደ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ኻብ ቤተ ሰብ ወፃኢ ንኻልእ ኣይትመርዖ። እቲ ሓሙታ ተመርዕዩ ንባዕሉ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈፅመላ።</verse>
				<verse number="6">ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ ድማ፥ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስም እቲ መዋቲ ይፀዋዕ።</verse>
				<verse number="7">“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ እቶም ሹመኛታት ከተማ ናብኣቶም ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸዓ፥ ‘ክወርሳ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ፀንዐ፥</verse>
				<verse number="9">እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ።</verse>
				<verse number="10">ስሙ ኸዓ ኣብ እስራኤል ‘ቤት ፍቱሕ ሳእኑ’ ይበሃል።</verse>
				<verse number="11">“ክልተ ሰባት ንስንሳቶም እንተ ተበኣሱ፥ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸዓ፥ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኽተድሕኖ ኢላ፥ ሓፍረት እቲ መባእስቱ እንተ ሓዘት፥</verse>
				<verse number="12">ኢዳ ቝረፅዋ፥ ኣይተናሕስዩላ።</verse>
				<verse number="13">“ኣብ ውሽጢ ኸረጢትኩም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይትሓዙ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ገዛኹም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="15">ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ትኽክልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኹም፤ ትኽክልን ቅኑዕን መስፈሪውን ይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="16">ነዝ ዅሉ ዝገብርን ዝዕምፅን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅሉእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">“ካብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ነቲ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ ዝገበሩኹም ዘክርዎ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩም ደኺምኩምን ዓቕሚ ስኢንኩምን እንተለኹም፥ ኣብ መንገዲ ብድንገት ከም ዝተራኸቡኹም ንእግዚኣብሄር እንተይፈርሑ ኸዓ፥ ነቶም ዳሕረዎት፥ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኹም ዝነበሩ ድኹማትኩም ከም ዝወቕዑ ዘክርዎ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ወሪስኩምዋ ድማ ኣብኣ ምስ ተቐመጥኩም፥</verse>
				<verse number="2">ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪኹም፥ እተእትውዎ ዅሉ መጀመርታ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንመሕደሪ ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።</verse>
				<verse number="3">ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ኻህን ኣቲኹም ከዓ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኽህበና፥ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣተና ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነፍልጥ ኣለና’ በልዎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድኩም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም የንብሮ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ።</verse>
				<verse number="6">ግብፃውያን ግና ኽፉእ ገበሩና፤ ኣጨነቑና፤ ከቢድ ስራሕ ድማ ኣብ ልዕሌና ፀዓኑና።</verse>
				<verse number="7">ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸዓ ተማህለልና፤ እግዚኣብሄር ድማ ቓልና ሰምዐ፤ እቲ ዝተገፋዕናዮን ድኻምናንውን ረአየ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና።</verse>
				<verse number="9">ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ ኣእተወና፤ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ ሃበና።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሃብካና ምድሪ ኣምፂእና ኣለና’ በሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ስገዱ።</verse>
				<verse number="11">በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንቤትኩምን ዝሃበኩም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ንስኻትኩምን እቲ ሌዋዊን ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ስደተኛን ከዓ ብሓደ ዄንኩም ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="12">“በታ ዓመት ኣስራት ዝኾነት ሳልሰይቲ ዓመት፥ ኣስራት ኵሉ እቶትኩም ምስ ኣውፃእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም በሊዖም ክፀግቡስ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ‘ነቲ ዝተቐደሰ ኣስራት ካብ ገዛና ኣውፂእና፥ ከምቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ትእዛዛትካ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሂብና ኣለና፤ ካብ ትእዛዛትካ ሓደ እኳ ኣየጕደልናን፤ ኣይረሳዕናንውን።</verse>
				<verse number="14">ብጊዜ ሓዘንና ኻብኡ ኣይበላዕናን፤ ዘይንፁሃት እንተለና ኸዓ ኻብኡ ኣየውፃእናን፤ ምእንቲ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብናን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰሚዕና ኣለና፤ ብዅሉ ነገር ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝካና ገበርና።</verse>
				<verse number="15">ካብቲ ቅዱስ መሕደሪኻ፥ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ንኣናውን ዝሃብካና፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፍርያም ምድሪ ባርኽ።’</verse>
				<verse number="16">“በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዝ ሕግጋትን ትእዛዛትን ክትፍፅምዎ ይእዝዘኩም ኣሎ እሞ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ሓልውዎን ፈፅምዎን።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ድማ ብመንገዱ ኸም እትኸዱ፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ከም እትሕልዉ ቓሉውን ከም እትሰምዑ ሎሚ ኣፍለጥኩም።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ከዓ ሎሚ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበለኩም፥ ህዝቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ከምቲ ንሱ ዘተስፈወኩም ከዓ ብፍላይ ገንዘቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ኸም እትሕልዉ ኣፍለጥኩም።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ሙሴ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኮይኑ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “እዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓልውዎ።</verse>
				<verse number="2">ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ።</verse>
				<verse number="4">ንፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም ድማ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነዝ ኣእማን እዙይ፥ ኣብ እምባ ጌባል ኣቑምዎ፤ ኖራ ኸዓ ለቕልቕዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ሓፂን ብዘይነኽኦ ኣእማን፥ መሰውኢ ንደቑ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቕዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="7">መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእኹም ኣብኡ ብልዑ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ድማ ግሉፅን ፅቡቕን ጌርኩም ኣብቲ ኣእማን ፀሓፍዎ።”</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ኮይኑ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኦ እስራኤል! ስቕ ኢልኩም ስምዑ፤ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።”</verse>
				<verse number="11">ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦</verse>
				<verse number="12">ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፥ ነገዳት ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዮሴፍ፥ ብንያም ኣብ እምባ ገሪዛን ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ።</verse>
				<verse number="13">ነገዳት ሮቤል፥ ጋድ፥ ኣሴር፥ ዛብሎን፥ ዳን፥ ንፍታሌም ድማ ኣብ እምባ ጌባል ቆይሞም ይርገሙ።</verse>
				<verse number="14">ሌዋውያን ድማ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ብዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበሉ ይዛረብዎም፦</verse>
				<verse number="15">ብእግዚኣብሄር ዝተፀልአ፥ በእዳው ብልሓተኛ ዝተገብረን፥ ዝተወቕረን፥ ብፍሲ ምስሊ ዝተገብረን፥ ሓቢኡ ኸዓ ዘንብሮ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="16">ኣቦኡን እኖኡን ዘቃልል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="17">ናይ ብፃዩ ናይ ወሰን ምልክት ዝደፍእ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ፥ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="18">ንዕዉር መንገዲ ዘጋግዮ ርጉም ይኹን። ዅሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="19">ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="20">ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፥ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="21">ምስ ዝኾነ እንስሳ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="22">ብኣቦ ኾነ ብእኖ ሓፍቱ ምስ ዝኾነት ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="23">ምስ ሓማቱ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="24">ንብፃዩ ብስዉር ዝወቅዕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="25">ንንፁህ ሰብ ክቐትል ጉቦ ዝቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።</verse>
				<verse number="26">ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩምዎ፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምዎ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ልዕል ከብለኩም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኹም፥ እዝ ዅሉ በረከት ክመፀኩም እዩ፤ ክረኽበኩምውን እዩ፦</verse>
				<verse number="3">“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ብሩኻት ክትኮኑ ኢኺም፤ ኣብ ገራሁውን ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">“ፍረ ከርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ፍረ እንስሳኹምን፥ ምውላድ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ከዓ ቡሩኽ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">“መሶብኩምን መልወሲኹምን ቡሩኽ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">“ኣብ ምእታውኩም ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ቡሩኻት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">“ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም።</verse>
				<verse number="8">“እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹምን ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረከት ንኽወርድ ክእዝዘልኩም እዩ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ዝህበኩም ምድሪ ድማ ኽባርኸኩም እዩ።</verse>
				<verse number="9">“ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሓሊኹም፥ ብመንገዱውን እንተ ኼድኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመኩም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="12">“ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ እንተ ሓሊኹምዎ፥ ካብዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተዘየግሊስኩም፥ ክትሰግዱሎምን ከተምልኹዎምን ኢልኩም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይሰዓብኩም፥ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረኩምን፤ ኵልሻዕ ላዕለዎት እምበር ታሕተዎት ከቶ ኣይትኾኑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦</verse>
				<verse number="16">“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ርጉማት ክትኮኑ፥ ኣብ ገራሁውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">“ከፈርኩምን መልወሲኹምን ዝተረገመ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">“ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ምፍራይ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ርጉም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ንስኻትኩም ኣብ ምእታውኩም ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="20">“ንኣይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ድማ ኽሳዕ እትፈልሱን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ሁከትን ውርደትን ክሰደልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="21">ካብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ እግዚኣብሄር ሕማም ፌራ ከልግበልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ብዘማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብቝስልን ብሃሩርን ብድርቅን ብሕሞድያን ክወቕዐኩም እዩ፤ ክሳዕ እትጠፍኡ ድማ ኸሳጕጉኹም እዮም።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ነሃስ፥ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸም ሓፂን ክትኮነኩም እያ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ንዝናም ምድሪኹም በነንታን ሓመድን ክገብሮ እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ሰማይ ክወርደኩም እዩ።</verse>
				<verse number="25">“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ሬሳታትኩም ምግቢ ዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ክኸውን እዩ፤ ዘባርሮም ከዓ ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር፥ ብዕብዳንን ብዕውራንን ብድንጋፀን ክወቕዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="29">ዕዉር ብፀልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፥ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብሉ ኢኹም፤ መንገድኹምውን ቅኑዕ ኣይኸውንን፤ ኣብ ዅሉ እትገብርዎ ኣይቐንዐኩምን እዩ። ኵልሻዕ ክትግፍዑን ክትዝመቱን ኢኹም፤ ዘድሕነኩም ከዓ የለን።</verse>
				<verse number="30">“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">ብዕራይኩም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክሕረድ እዩ፤ ግና ኻብ ስጋኡ ኣይትበልዑን ኢኹም። ኣድግኹም ኣብ ቅድሜኹም ክዝረፍ እዩ፤ ኣይምለሰኩምንውን እዩ። ኣባጊዕኹም ንፀላእትኹም ክወሃባ እየን፤ ዝረድአኹም ድማ ኣይህሉን።</verse>
				<verse number="32">ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ንኻልእ ህዝቢ ኽወሃቡ እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኽትርእይዎም ምሉእ መዓልቲ ዓይንኹም ብሃረርታ ቐባሕባሕ ክተብሉ ኢኹም፤ ግና ኣብ ኢድኩም ሓይሊ ኣይህሉን።</verse>
				<verse number="33">ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="34">ኣዒንትኹም ካብ ዝሪኡዎ ዝተልዓለ ዕቡዳት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="36">“እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም።</verse>
				<verse number="37">ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="38">“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="39">ወይኒ ኽትተኽሉ፥ ክትኵስኵስዎውን ኢኹም፤ ግና ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይትሰትዩሉን፤ ሓደ እኳ ኣይትእክቡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="40">ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ኣውሊዕ ክኾነልኩም እዩ፤ ግና፥ እቲ ኣውሊዕኹም ክረግፍ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣይትልከዩን ኢኹም።</verse>
				<verse number="41">ኣወዳትን ኣጓላትን ቈልዑ ኽትወልዱ ኢኹም፤ ግና ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም ኣይኾኑን እዮም።</verse>
				<verse number="42">ንዅሉ ኣእዋምኩምን ፍረ ምድሪኹምን፥ ኵብኵብታ ኽወርሶ እዩ።</verse>
				<verse number="43">“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="44">ንሳቶም ከለቅሑኹም እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይተለቅሕዎምን ኢኹም፤ ንሳቶም ርእሲ ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ጭራ ኽትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="45">“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም፥ እቲ ዝኣዘዘኩም ትእዛዛቱን ሕግጋቱንውን ስለ ዘይሓለኹም፥ እዞም ኵሎም መርገማት ክወርዱኹም፥ ክሳዕ እትጠፍኡ ኽወርድኹም ከሳጕጉኹም ክረኽቡኹም እዮም።</verse>
				<verse number="46">እዙይ ንኣኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ንዘለኣለም ንምልክትን ንመደነቕን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="47">ኵሉ ኣብዚሑ ስለ ዝሃበኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ኢሉኩም ብሕጉስ ልቢ ስለ ዘየገልገልኩምዎ እዩ።</verse>
				<verse number="48">ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።</verse>
				<verse number="49">“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="50">ገፆም ዘፍርሕ ህዝቢ፥ ገፅ ሽማግለ ሪኦም ዘይሓፍሩ፥ ነናእሽቲ ዘየናሕስዩ ኸምፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="51">ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ ውሉዳት መጓሰኹምን ከፍትኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክበልዑ እዮም፤ ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ስርናይ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ምራኽ ላሕምኹም፥ ሌማታት ኣባጊዕኹም ኣይገድፉልኩምን እዮም።</verse>
				<verse number="52">እቲ ንስኻትኩም እትኣምንዎ ነዊሕን ፅኑዕን ቅፅርኹም ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ክሳዕ ዝፈርስ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም።</verse>
				<verse number="53">“ፀላእትኹም ከቢቦም ምስ ኣጨነቑልኩም፥ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ደቅኹም ዝኾኑ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="54">ኣባኻትኩም ርህሩህን በቝባቝን ዝበሃል ሰብኣይ እኳ ንሓዉን ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይሪኦም።</verse>
				<verse number="55">ካብቲ ዝበልዖ ዘሎ ስጋ ደቁ ኸዓ ንሓደ እኳ ኣይህብን እዩ። በቲ ፀላእትኹም ንዅለን ከተማታትኩም ከቢቦም ዘጨንቑኹም ጭንቂ ዝብላዕ ኻልእ ነገር ኣይተርፎን እዩ።</verse>
				<verse number="56">ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም።</verse>
				<verse number="57">በቲ ፀላእትኹም ከቢቦም ኣብ ከተማታትኩም ዘጨንቁኹም ጭንቂ ዅሉ ነገር ስለ ዝሰኣነት፥ ነቲ ኻብ ማህፀና ዝወፀ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ።</verse>
				<verse number="58">“ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክትፍፅምዎ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ ነዝ ምስጉንን መፍርሕን ዝኾነ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ እንተ ዘይፈሪሕኹም፥</verse>
				<verse number="59">እግዚኣብሄር ዘስካሕክሕ መቕሰፍቲ ናባኻትኩምን ናብ ዘርእኹምን፥ ብርቱዕ እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ መቕሰፍቲ፥ ሕሱም እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሕማም ክሰደልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="60">ነቲ ዝፈራሕኹምዎ ዅሉ ሕማም ግብፂ ናብ ልዕሌኹም ክመልሶ እዩ እሞ፥ ክለግበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="61">ክሳዕ እትጠፍኡ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ዘይተፅሓፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕሰፍትን ከምፅአልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="62">ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም ንስኻትኩም ኣቱም ቅድም ምብዛሕኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፥ ብቝፅሪ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="63">እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="64">“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="65">ኣብ ማእኸል እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ከዓ ሰላም ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ እግርኹም ዘዕርፈሉ ምድሪ እውን ኣይህልወኩምን እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ዝንቅጥቀጥ ልቢ ዝፈዘዘ ዓይኒ ድኹም ነፍሲ ኸምፅአልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="66">ህይወትወኩም ኣብ ቅድሜኹም ዝተንጠልጠለ ክኸውን እዩ፤ ለይትን መዓልትን ድማ ኽትፈርሑ ኢኹም፤ ብህይወትኩም ከዓ ኣይትተኣማመኑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="67">ንስኻትኩም ስለ እትፈርሕዎ ፍርሓት ልብን፥ ብዓይንኹም ስለ እትሪኡዎ ምርኣይን፥ ጊሓት መኣዝ ይመሲ፥ ምሸትውን መኣዝ ይወግሕ ኽትብሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="68">በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዓበይቲ ፈተናታትን፥ እቲ ምልክታትን ዓበይቲ ተኣምራትን በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">ግና እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተስተብህሉሉ ልቢ፥ እትሪኡሉ ዓይኒ፥ እትሰምዑሉ እዝኒ ኣይሃበኩምን።</verse>
				<verse number="5">ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን።</verse>
				<verse number="6">እንጀራ ኣይበላዕኹምን ወይንን ብርቱዕ መስተንውን ኣይሰተኹምን። እግዚኣብሄር ግና፥ ኣምላኽኩም ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ ባዕሉ መገበኩም።</verse>
				<verse number="7">“ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መፃእና ኸዓ፥ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን ዓግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ወፁ፤ ንሕና ግና ሰዓርናዮም።</verse>
				<verse number="8">ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም።</verse>
				<verse number="9">“ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።</verse>
				<verse number="10">ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ከምቲ ዘተስፈወኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሎሚ ምሳኻትኩም ብማሕላኡ ዘቖሞ ቃል ኪዳን ምእንቲ ኽትኣትዉ፥ ሎሚ ህዝቡ ገይሩ ኸቑመኩም፥ ንሱ ኸዓ ኣምላኽኩም ክኸውን ኣብዙይ ደው ኢልኩም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">እዝ ኺዳን እዙይን እዝ ማሕላ እዙይን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዙይ ምሳና ቖይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዙይ ዘየለዉንውን እምበር፥ ምሳኻትኩም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዘቑሞ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">“ኣብ ግብፂ ኸመይ ከም ዝነበርናን ብማእኸል ኣህዛብ ድማ ኸመይ ከም ዝሓለፍናን ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብኣቶም ዝነበረ ብዕንፀይትን ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ዘፀይፍ ጣዖታቶም ረአኹም።</verse>
				<verse number="18">እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="19">“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="20">ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ናይ ኪዳን መርገም፥ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ንጥፍኣት ክፈልዮ እዩ።</verse>
				<verse number="22">“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="24">ኵሎም ህዝብታት ድማ ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዙይ ዝገበራ? ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር የመና ዝተቘጥዓ?’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="25">“ከምዙይ ኢሎም ከዓ ኽምልሱሎም እዮም፦ ‘እቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስኣቶም ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ከይዶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣይትስገዱሎም ኢሉ ንዝኸልከሎም፥ ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ የመና ተቘጥዓ፥ እቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ መርገም ድማ ኣውረደላ።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ብዅራን ብንደትን ብዓብዪ ቝጥዓን ካብ ሃገሮም ንቕል ኣቢሉ ኸምዝ ሎሚ ኾይኖምዎ ዘለዉ፥ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።’</verse>
				<verse number="29">“ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም፥ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">“ኵሉ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም በረከትን መርገምን ምስ መፀኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብቶም ፋሕ ዘበለኩም ኵሎም ኣህዛብ ኴንኩም ከዓ፥ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም እንተ ሓሰብኩምዎ፥</verse>
				<verse number="2">ከምዝ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተመሊስኩም፥ ቃሉ ድማ እንተ ሰሚዕኹም፥</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ናብታ ኣቦታትኩም ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትወርስዋ ኢኹም እሞ፥ ንሱ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ካብ ኣቦታትኩም ድማ ብዝበለፀ ኸብዝሐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="7">እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ድማ ተመሊስኩም ንቓል እግዚኣብሄር ክትሰምዕዎ፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ኽትፍፅምዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም፥ ኣብዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ዝተፅሓፈ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ተመሊስኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትኩም ተሓጕስዎ ዝነበረ፥ መሊሱ ንኣኻትኩም ፅቡቕ ብምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ተግባር ኢድኩምን ውሉድኩምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክባርኸልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">“እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት፥ ንኣኻትኩም የመና ዘፀግምን ካባኻትኩም ዝረሓቐን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ‘ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምፅአልናን ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና መን እዩ?’ ከይትብሉ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን ዘሎ።</verse>
				<verse number="13">‘ባሕሪ ዝሳገረልናን ዘምፅአልናን፥ ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና እሞ መን እዩ?’ ኸይትብሉውን፥ ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ኣይኮነን ዘሎ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን የመና ቐረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዙይ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">“ረአ፥ ሎሚ ህይወትን በረከትን፥ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ክትበዝሑን፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ፥ ብመንገዱ ኸዓ ኽትከዱ፥ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ፥ ኣነ ሎሚ እእዝዘኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ግና ልብኹም ንድሕሪት እንተ ተመለሰ እሞ ምእዛዝ እንተ ኣበኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኸዓ እንተ ተስሓብኩምን እንተ ኣምለኽኩምዎምን፥</verse>
				<verse number="18">ብርግፅ ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ። ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ መዋእልኩም ክሓፅራ እየን።</verse>
				<verse number="19">“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ንነገስታት ኣሞራውያን፥ ሴዎንን ኦግን፥ ምስ ምድሮም ዘጥፍኦም፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ከዓ ግበርዎም።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።”</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ፤ ምሳኻ ክኸውን እዩ፤ ኣይጠልመካን እዩ፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። ስለዙይ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም።</verse>
				<verse number="10">ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም “ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት መወዳእታ፥ በታ ዕዳ ዝመሓረላ ዓመት፥ ብበዓል ዳስ፥</verse>
				<verse number="11">ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሰግዱ ምስ መፁ፥ ነዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ኣንብቦ።</verse>
				<verse number="12">ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም።</verse>
				<verse number="13">በዝ መንገዲ እዙይ እቶም ነዝ ሕጊ እዙይ ዘይፈልጡ ደቆም ክሰምዑን ክመሃሩን እዮም። ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ብዅሉ ዘመን ህይወቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክእዘዝዎ እዮም።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ከዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብዓምዲ ደመና ተርኣየ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ቆመ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም።</verse>
				<verse number="17">በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="18">በቲ ዅሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስጋድ ዝገበርዎ ኽፉእ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገፀይ ፈፂመ ኽሓብእ እየ።</verse>
				<verse number="19">“ሕዚ ኸዓ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፎ እሞ፥ ንደቂ እስራኤል መሃሮም፥ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ክኾነኒ ኸዓ ኸም ዝዝምርዎ ግበር።</verse>
				<verse number="20">ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="21">ብዙሕ ጕድኣትን ጭንቕን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ክምስክረለይ እዩ፤ ካብ ኣፍ ደቆም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፥ ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና እንተየእተኹዎም እኳ፥ እቲ ሎሚ ዝሓስቡዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ።”</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፈ፥ ንደቂ እስራኤል ከዓ መሃሮም።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ምስ ወድአ፥</verse>
				<verse number="25">ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦</verse>
				<verse number="26">“ነዝ መፅሓፍ እዙይ ወሲድኩም ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንምስክር ይኹንኩም።</verse>
				<verse number="27">ኣነ ኽድዓትኩምን ትሪ ኽሳድኩምን እፈልጥ እየ እሞ፥ እንሆ፥ ሎሚ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ከዳዕኹምዎስ፥ ድሕሪ ሞተይ እውን ዝገደደ ኽትገብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="29">ድሕሪ ሞተይ ብርግፅ ንባዕልኹም ከም እተርክሱ፥ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ኸም እተግልሱ፥ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ንኽተቘጥዕዎ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ እትገብሩውን፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ጕድኣት ክረኽበኩም እዩ።”</verse>
				<verse number="30">ሙሴ ድማ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ቃል እዝ መፅሓፍ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤ ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።</verse>
				<verse number="2">ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤ ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤ ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።</verse>
				<verse number="3">ስም እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ እሞ፥ ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።”</verse>
				<verse number="4">“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤ ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤ ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”</verse>
				<verse number="7">“ነተን ጥንታውያን መዓልቲታት ዘክር፤ ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልድታት፥ ኣስተብህል፤ ነቦኻ ጠይቆ፤ ንሱ ኸዓ ኽነግረካ እዩ፤ ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም።</verse>
				<verse number="8">እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥ ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ።</verse>
				<verse number="9">ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤ ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”</verse>
				<verse number="10">“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።</verse>
				<verse number="11">ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”</verse>
				<verse number="13">“ናብ ልዕሊ በሪኽ ምድሪ ኣደየቦ፤ ፍረ ገራሁ ኣብልዖ፤ ካብ ኰዅሒ መዓር ኣፅገቦ፤ ካብ ተሪር ኰዅሒ ኸዓ ዘይቲ።</verse>
				<verse number="14">ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥ ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥ ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”</verse>
				<verse number="15">“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።</verse>
				<verse number="16">ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤ ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="17">ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፥ ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፥ ኣቦታቶም ንዘይፈርሕዎም፥ ደሓር ንዝመፁ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="18">ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤ ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”</verse>
				<verse number="19">“ኣወዳቱን ኣጓላቱን ስለ ዘቘጥዕዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ሪኡ ደርበዮም።</verse>
				<verse number="20">በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥ እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥ ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤ ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤ ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ።</verse>
				<verse number="22">ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”</verse>
				<verse number="23">“ክፉእ ኣብ ልዕሊኣቶም ክእክብ እየ፤ ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ።</verse>
				<verse number="24">ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤ ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።</verse>
				<verse number="25">ሰይፊ ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሓት፥ ንጐበዝን ንጐርዞን፥ ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ።</verse>
				<verse number="26">ፈፂመ ኽድምስሶም፥ መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።</verse>
				<verse number="27">ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦ ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥ ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”</verse>
				<verse number="28">“ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም፤ ምስትውዓል ከዓ የብሎምን።</verse>
				<verse number="29">ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤ መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።</verse>
				<verse number="30">ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?</verse>
				<verse number="31">ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤ ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።</verse>
				<verse number="32">ወይኖም ካብ ወይኒ ሰዶምን ካብ ግራት ገሞራን እዩ እሞ፥ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፥ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ፤</verse>
				<verse number="33">ወይኖም ሕንዚ ገበል እዩ፤ እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።”</verse>
				<verse number="34">እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን? ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="35">ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="36">ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥ እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤ ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ? እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="38">እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥ ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ? ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤ መፀግዒውን ይኹኑኹም።</verse>
				<verse number="39">ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።</verse>
				<verse number="40">ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።</verse>
				<verse number="41">ነቲ ዘንበልብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፥ ፍርዲ ኸውፅእ ኸዓ ምስ ሓዝክዎ፥ ንተፃረርተይ ክብቀሎም እየ፤ ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ።</verse>
				<verse number="42">ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን፥ ንፍላፃታተይ ብደም ከስክረን እየ፤ ሰይፈይ ድማ ኻብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ፀላኢ፥ ስጋ ኽቘራርፅ እዩ።</verse>
				<verse number="43">“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥ ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥ ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥ ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”</verse>
				<verse number="44">ሙሴ ድማ፥ ምስ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኡ ዅሉ ቓል እዝ መዝሙር እዙይ ንህዝቢ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="45">ሙሴ ንዅሉ እዝ ነገር እዙይ፥ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥</verse>
				<verse number="46">“ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።</verse>
				<verse number="47">እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።</verse>
				<verse number="48">እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="49">“ናብዝ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ እምባ ዓባሪም፥ ናብ እምባ ናባው፥ ደይብ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ረአያ።</verse>
				<verse number="50">ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት።</verse>
				<verse number="51">እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥</verse>
				<verse number="52">ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትሪኣ ኢኻ እምበር ናብኣስ ኣይትኣቱን ኢኻ፤” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦</verse>
				<verse number="2">“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤ ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።</verse>
				<verse number="3">እወ፥ ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤ ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም፤ ኣብ እግርኻ ይሰግዱ፤ ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ።</verse>
				<verse number="4">ሙሴ ዝሃበና ሕጊ፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሕጊ ንሕሉ።</verse>
				<verse number="5">ኣሕሉቕ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ምስ ተኣከቡ፥ ንሱ ኣብ እስራኤል ንጉስ ነበረ።”</verse>
				<verse number="6">ሙሴ ንነገድ ሮቤል፦ “ሮቤል ይንበር፤ ኣይሙት፤ ሰቡውን ውሑዳት ኣይኹኑ” እናበለ መረቖም።</verse>
				<verse number="7">ንነገድ ይሁዳ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ድምፂ ይሁዳ ስማዕ፤ ናብ ህዝቡ ኸዓ ኣእትዎ፤ ኣእዳዉ ይፅንዓሉ፤ ካብ ተፃረርቱ ረዳኢ ኹኖ” እናበለ መረቖም።</verse>
				<verse number="8">ንነገድ ሌዊ፦ “ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤ ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም።</verse>
				<verse number="9">ብዛዕባ ኣቦኦምን እኖኦምን ኣይረአናን ዝበሉ፥ ነሕዋቶምውን ዘየስተውዓሉ፥ ንደቆም ድማ ዘይፈለጥዎም፥ ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ።</verse>
				<verse number="10">ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ ሃብቶም ባርኽ፤ ግብሪ ኣእዳዎም ከዓ ተቐበል፤ መሊሶም ከም ዘይትስኡ ጌርካ፥ ሕቘ እቶም ዝፀልእዎም መፃርርቶም ስበር።”</verse>
				<verse number="12">ብዛዕባ ብንያም ከምዙይ በለ፦ “ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤ ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።”</verse>
				<verse number="13">ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዙይ በለ፦ “ምድሩ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኸት ትኹን፤ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፥ በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥</verse>
				<verse number="14">በቲ ኽቡር እቶት ፀሓይ፥ በቲ በዋርሕ ዝበቍል ክቡር ነገር፥</verse>
				<verse number="15">በቲ ናይ ጥንታውያን እምባታት ብሉፅ ነገር፥ በቲ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ዝኸበረ ነገር፥</verse>
				<verse number="16">በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፥ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፥ እዙይ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፥ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ።</verse>
				<verse number="17">ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”</verse>
				<verse number="18">ብዛዕባ ዛብሎን ከምዙይ በለ፦ “ኣታ ዛብሎን፥ ብምውፃእኻ ደስ ይበልካ፤ ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ ደስ ይበልካ።</verse>
				<verse number="19">ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑፃ ዝተሓብአ መዝገብን ክጠብዉ እዮም እሞ፥ ንህዝብታት ናብ እምባ ኽፅውዑ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ፅድቂ ኸቕርቡ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">ብዛዕባ ጋድ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ንጋድ ምድሩ ዘስፍሐ ቡሩኽ ይኹን፤ ጋድ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዓሪፉ፤ ቅልፅምን ርእስን ይሰብር።</verse>
				<verse number="21">ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤ ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”</verse>
				<verse number="22">ብዛዕባ ዳን ኸምዙይ በለ፦ “ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።”</verse>
				<verse number="23">ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዙይ በለ፦ “ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፥ ፀጋ ዝፀገበ እዩ፤ ንሱ ደቡብ ባሕሪ ዘሎ ምድሪ ኽወርስ እዩ።”</verse>
				<verse number="24">ብዛዕባ ኣሴር ከምዙይ በለ፦ “ኣሴር ብውሉድ፥ ብሩኽ ይኹን፤ በሕዋቱውን ዝተፈተወ ይኹን፤ ኣእጋሩ ኸዓ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።</verse>
				<verse number="25">ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤ ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”</verse>
				<verse number="26">ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥ ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥ ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥ ዝመስሎ የለን።</verse>
				<verse number="27">ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤ ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤ ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።</verse>
				<verse number="28">እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤ እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥ እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።</verse>
				<verse number="29">ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤ ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ? ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥ ሰይፊ መመክሒኻ እዩ። ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ሙሴ ድማ ኻብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ዘሎ ፈስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅላ ሃገር ገለዓድ፥ ክሳዕ ከተማ ዳን ኣርኣዮ።</verse>
				<verse number="2">ከምኡ እውን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፥ ብምልእታ ምድሪ ይሁዳን ክሳዕ ምዕራብ ባሕሪ፥</verse>
				<verse number="3">ደቡብ ይሁዳን ጐልጐል ለሰ ኢያሪኮን፥ ከተማ ተምርን ክሳዕ ፆኣር ኣርኣዮ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ፦ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ እዚኣ እያ፤ ብዓይንኻ ኣርአኹኻ፤ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ መንፅር ቤት ፌጎር ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸዓ ንመቓብሩ ዝፈለጦ ሰብ የለን።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፤ ምስ እዝ ዅሉ ግና ኣዒንቱ ኣይፈዘዛን፤ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። ብድሕሪኡ ሓዘኖም ወድኡ።</verse>
				<verse number="9">ንኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ንሙሴ ዝተኣዘዝዎ ገይሮም ተኣዘዝዎ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛት ከዓ ሓለውዎ።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪኡ፥ ኣብ እስራኤል፥ ከም ሙሴ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ዘዛረቦ ነቢይ ኣይተስአን።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ግብፂ ኣብ ፈርዖንን፥ ኣብ ሹመኛታቱን ኣብ ዅላ ምድሩን ምልክትን ተኣምራትን ዝገበረ ኻልእ ነቢይ ኣይተስአን።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ዝገበሮ፥ ዓብዪ ሓይልን ዘፍርሕ ነገርን ዝገበረ የለን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="6">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥</verse>
				<verse number="2">“ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ንሙሴ ዝነገርክዎ፥ ኵላ እግርኹም ዝረገፀታ ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።</verse>
				<verse number="6">“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ኢያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን፦</verse>
				<verse number="13">“እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ሂቡኩም ኣሎ።’</verse>
				<verse number="14">ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ድማ ንኢያሱ፦ “ኵሉ ዝኣዘዝካና ንገብር፤ ናብ ኵሉ ዝለኣኽካናውን ንኸይድ።</verse>
				<verse number="17">ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን።</verse>
				<verse number="18">ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ኢያሪኮ ኸዓ “እንሆ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ክስልይዋ፥ ሰባት ብለይቲ ናብዙይ ኣትዮም ኣለዉ” እንትበሃል ወረ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ኢያሪኮ ድማ “እዞም ናባኺ ዝመፁ ናብ ገዛኺውን ዝኣተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ክስልሉ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ኣውፅኢዮም” ኢሉ ናብ ረኣብ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ኢላ ድማ መለሰት፦ “እወ፥ ሰባት ናብ ገዛይ ኣትዮም ነይሮም፤ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣፍ ደገ እንትዕፆን እንትፅልምትን ወፂኦም ከዱ፤ ናበይ ከም ዝኸዱ ግና ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ተኸተልዎም፤ ክተርክብዎምውን ኢኹም” በለቶም።</verse>
				<verse number="6">ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ገዛኣ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብኡ ተዀሚሩ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።</verse>
				<verse number="7">እቶም ልኡኻት ንጉስ ምስ ወፁ ኸዓ እቲ ደገ ኸተማ ተሸጐረ፤ ነቶም ሰለልቲ ኽደልዩ ድማ ኽሳዕ እቲ መሳገሪ ዮርዳኖስ ከዱ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ሰለልቲ ገና እንተይደቀሱ፥ እታ ሰበይቲ ናብኣቶም ናብ ናሕሲ ደየበት።</verse>
				<verse number="9">“እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኻብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም፥ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀፆ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ዝገበርኩምዎ፥ ንሴዎንን ንዓግን ከም ዘጥፋእኹምዎም ሰሚዕና ኢና።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣብ ታሕቲ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ በቲ ዝሰማዕናዮ ልብና መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካባኻትኩም ዝተልዓለ ንሓደ እኳ ነፍሲ ኣይተረፎን።</verse>
				<verse number="12">ሕዚ ኸዓ በይዛኻትኩም፥ ኣነ ፅቡቕ ገይረልኩም እየ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፥ ነቦይን ንኖይን ነሕዋተይን ነሓተይን ንዅሎም ሰቦምን ብህይወት ክትሓድግዎም፥ ካብ ሞት እውን ክተድሕኑና ብእግዚኣብሄር መሓሉለይ፤ ዘተኣማምን ምልክት ከዓ ሃቡኒ” በለቶም።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">እቶም ሰባት ከዓ “እቲ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይገሊፅኪ፥ ነፍስና ኽንዲ ነፍስኹም ንሞት ነሕልፍ። እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፥ ብሓቂ ምሕረት ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ።</verse>
				<verse number="15">ገዛኣ ኣብ ጥቓ ቕፅሪ መንደቕ እታ ኸተማ ነበረ እሞ፥ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም።</verse>
				<verse number="16">“እቶም ዝደልዩኹም ዘለዉ ኸይረኽቡኹምስ ናብ ጎቦታት ኣቢልኩም ኪዱ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ መንገድኹም ቀፅሉ” በለቶም።</verse>
				<verse number="17">እቶም ሰባት ከዓ “ንሕና ነዝ ዘምሓልክና ማሕላ ኽንሕልዎ ኢና።</verse>
				<verse number="18">ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ ካብ ማዕፆ ገዛኺ ንደገ ዝወፀ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ንሕና ግና ንፁሃን ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ገዛኺ ዘለዉ እንተ ነኺእና ግና፥ ደሞም ኣብ ርእስና ይኹን።</verse>
				<verse number="20">ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ።</verse>
				<verse number="21">ንሳ ኸዓ “ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን” ኢላ ኣፋነወቶም፤ ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኮት ኣንጠልጠለቶ።</verse>
				<verse number="22">ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ጎቦታት ከዱ፤ እቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ልኡኻት ንጉስ ቀቢፆም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ እቶም ዝደለይዎም ሰባትውን ደልዮም ኣይረኸብዎምን።</verse>
				<verse number="23">እቶም ክልተ ሰለልቲ ድማ፥ ካብቲ ጎቦታት ወረዱሞ፥ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፁ፤ እቲ ዅሉ ዘጋጠሞምውን ነገርዎ።</verse>
				<verse number="24">ንኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ንዅላ እታ ሃገር ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸዓ ብምምፃእና ፈሪሖም ይርዕዱ ኣለዉ” በልዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኢያሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣንጊሆም ሽጢም ካብ ዝበሃል ቦታ ተልዒሎም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ እንተይተሳገሩ ድማ ኣብኡ ሓደሩ።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም ኣሕሉቕ ብማእኸል ሰፈር ሓለፉ፤</verse>
				<verse number="3">ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="4">እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”</verse>
				<verse number="5">ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ከዓ ‘ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ቁሙ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ናብዙይ ቅረቡ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን ናይቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ቐቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ክሓልፍ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ።</verse>
				<verse number="13">ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”</verse>
				<verse number="14">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገሩ ከካብ ድንኳናቶም ምስ ወፁ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ቀቅድሚ እቶም ህዝቢ ይኸዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦</verse>
				<verse number="2">“ካብ ማእኸል ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ፤</verse>
				<verse number="3">‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኢያሱ ኻብ ደቂ እስራኤል፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ነቶም ሓርይዎም ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ፀውዖም።</verse>
				<verse number="5">ኢያሱውን በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ሕለፉ፤ ብቝፅሪ ነገድ እስራኤል ከዓ፥ ሓድሓደ እምኒ ኣብ ማእገሩ ይሸከም።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="8">ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝበሎ ድማ ብቝፅሪ ነገዳት እስራኤል ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዒሎም ናብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ወሰዱ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣንበርዎም።</verse>
				<verse number="9">ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="10">እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="13">ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ዝኾኑ ኣፅዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኽዋግኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="14">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነቶም ታቦት ምስክር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ክወፁ ኣዝዞም” በሎ።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ውፁ ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="18">እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="20">ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም።</verse>
				<verse number="21">ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥</verse>
				<verse number="22">‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ።</verse>
				<verse number="24">እዙይውን ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ ኢልኩም ንገርዎም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።</verse>
				<verse number="2">በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ “በሊሕ ፅንፅልሒት ጌርካ፥ ንደቂ እስራኤል ንኻልኣይ ጊዜ ግረዞም” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኢያሱ ድማ በሊሕ ፅንፅልሒት ኣንፂሉ፥ ንደቂ እስራኤል ኰረብታ ግርዘት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ገረዞም።</verse>
				<verse number="4">ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ክንዳኣቶም ዘተስኦም ደቆም ከዓ፥ ኣብ መንገዲ ስለ ዘይተገረዙ፥ ዘይግሩዛት ኮይኖም ነበሩ እሞ፥ ኢያሱ ገረዞም።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም ህዝቢ ምስ ተገረዙ ኸዓ ኽሳዕ ዝሓውዩ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብፂ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣወገድክዎ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ጌልገላ ይበሃል ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።</verse>
				<verse number="11">ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ።</verse>
				<verse number="12">እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፥ ንፅባሒቱ እቲ መና ኣቋረፀ፤ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነዓን በልዑ እምበር፥ ድሕሪኡስ እቲ መና ኣይወረደሎምን።</verse>
				<verse number="13">ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።</verse>
				<verse number="5">ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ህዝቢ ድማ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፤ ኵሉ ኸዓ ብሰልፊ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ድማ ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከዓ ደድሕሪኣቶም ይኽተል ነበረ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ “ጫውጫው ኣይትበሉ፤ ድምፂ ኣስምዑ ኽሳዕ ዝብለኩም መዓልቲ ሓደ ቓል እኳ ኻብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ።</verse>
				<verse number="12">ንፅባሒቱ ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ፆርዎ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="15">በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፥ ሸውዓተ ሻዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዝዞርዋ።</verse>
				<verse number="16">በቲ ሻውዓይ ጊዜ፥ እቶም ካህናት ቀርኒ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ ዓው ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="17">እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ።</verse>
				<verse number="18">ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።”</verse>
				<verse number="20">መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።</verse>
				<verse number="21">ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።</verse>
				<verse number="22">ኢያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለሉ ኽልተ ሰባት፥ “ናብ ገዛ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፥ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፥ ነታ ሰበይትን ነቶም ምስኣ ዘለዉ ሰባን ካብኡ ኣውፅእዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="23">እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም።</verse>
				<verse number="24">ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ብሩርን ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ሓፂንን ግና ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ኣእተዉ።</verse>
				<verse number="25">እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ።</verse>
				<verse number="26">በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።</verse>
				<verse number="2">ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።</verse>
				<verse number="3">ናብ ኢያሱ ተመሊሶም ድማ “ኵሉ ህዝቢ ናብ ጋይ ክድይብ ኣየድልን እዩ፤ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ስደድ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኣይተድክሞ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ጋይ ደየቡ። ካብ ቅድሚ ሰብ ጋይ ከዓ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="5">ናይ ጋይ ሰባት ካብኣቶም ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ቀተሉ፤ ካብ ደገ እታ ኸተማ ኽሳዕ ሸባሪምውን ኣሳጐጕዎም። ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ልቢ እቶም ህዝቢ መኸኸ፤ ከም ማይውን ኮነ።</verse>
				<verse number="6">ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።</verse>
				<verse number="7">ኢያሱ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ስለ ምንታይ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣሳገርካና? ስለ ምንታይከ ምእንቲ ኸጥፍኡና ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ሃብካና? ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐሚጥና እንተ ንኸውንዶ ኣይምሐሸን?</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ! ህዝቢ እስራኤል ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም መሊሶም ካብ ሃደሙስ እንታይ ክብል እየ?</verse>
				<verse number="9">ከነዓናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን ነዙይ ሰሚዖም ክኸቡና እዮም፤ ስምና ድማ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኡ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እትገብሮ እንታይ እዩ?” በለ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ተስእ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ብግምባርካ እትድፋእ?</verse>
				<verse number="11">ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ።</verse>
				<verse number="13">“ተስእ እሞ ነቶም ህዝቢ ቐድሶም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ዝተሓረመ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ፤ ነቲ ዝተሓረመ ኻብ ማእኸልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">“ክሳዕ ፅባሕ ተቐደሱ፤ ፅባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። እቲ እግዚኣብሄር ብዕፃ ዝፈለዮ ነገድ ድማ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ዓሌት ድማ፥ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ማይ ቤት ከዓ በብውልቀ ሰብ ይቕረብ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዝተሓረመ ዝተረኽቦ ሰብ ድማ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ኢያሱ ኸዓ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ በብነገዶም ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳውን ተፈለየ።</verse>
				<verse number="17">ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ።</verse>
				<verse number="18">ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ።</verse>
				<verse number="19">ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣካን ድማ ንኢያሱ መሊሱ “ሓቂ እዩ፥ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለ እየ፤ ከምዙይን ኸምዙይንውን ገበርኩ።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኢያሱ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብቲ ድንኳኑ ተሓቢኡ፥ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ካብ ማእኸል እቲ ድንኳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፂኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ኢያሱን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ንኣካን ወዲ ዛራን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን፥ ነወዳቱን ነጓላቱን ከፍቱን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ናብ ለሰ ዓኾር ወሰድዎም።</verse>
				<verse number="25">ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="4">“ርአዩ፤ ነታ ኸተማ ብድሕሪኣ ሕቡእ ደጀን ግበሩላ፤ ካብታ ኸተማ እምብዛ ኣይትርሓቑ። ኵልኻትኹም ከዓ ተዳሊኹም ፅንሑ።</verse>
				<verse number="5">ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ኽብሉ እዮም፤ ወፂኦም ምእንቲ ኽስዕቡና ኻብታ ኸተማ ኽሳዕ እነርሕቖም፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።</verse>
				<verse number="7">ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ።</verse>
				<verse number="8">ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ከዓ ናብታ ዝሕብኡላ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ከይዶም፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ጋይ ተሓብኡ። ኢያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሓደረ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነቲ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኸዓ፥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ጋይ ደየበ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም።</verse>
				<verse number="13">ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።</verse>
				<verse number="14">ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="21">ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="22">እቶም ካልኦትውን ካብ ከተማ ናብኣቶም ወፁ። ሽዑ እዚኣቶም በዙይ፥ እቲኣቶም ከዓ በቱይ ስለ ዝኸበብዎም፥ ደቂ ጋይ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ኮኑ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ህዝቢ ጋይ ሓደኳ እንተየምለጦም ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="23">ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="24">እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።</verse>
				<verse number="25">እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ።</verse>
				<verse number="26">ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።</verse>
				<verse number="27">እስራኤል ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ጥሪትን ምርኮ እታ ኸተማን ጥራሕ ማሪኾም ንባዕላቶም ወሰዱ።</verse>
				<verse number="28">ኢያሱ ንኸተማ ጋይ ብሓዊ ኣባራዓ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ንዘለኣለም ኵምሪ ዑና ገበራ።</verse>
				<verse number="29">ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ እምባ ጌባል መሰውኢ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="31">ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴውን ተፅሒፉ ዘሎ፥ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፥ ሓፂን ዘይነኽኦ ኣእማን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="32">ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ ሕጊ ኸዓ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኣእማን ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="33">ኵሎም ደቂ እስራኤልን ዓበይትን ኣሕሉቕን ፈረድትን ምስኣቶም ዝነብሩ ባዕዳንን ኣብ መንፅር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ካህናት ብየማኖምን ብፀጋሞምን ደው በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ፍርቁ ብወገን እምባ ገሪዛን፥ ፍርቁ ድማ ብወገን እምባ ጌባል ቆመ። እዙይ ከዓ ኸምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ህዝቢ እስራኤል ክባረኹ እንተለዉ ዝኣዘዞም ገበረ።</verse>
				<verse number="34">ድሕሪዙይ ኢያሱ ንዅሉ ቓል ሕጊ፥ ነቲ በረከትን መርገምን፥ ከምቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ኣንበቦ።</verse>
				<verse number="35">ኢያሱ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ንኣንስቶምን ህፃናቶምን፥ ነቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ባዕዳንን፥ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ ብምሉኡ ኣንበበሎም እምበር፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይሓደገን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እዚኣቶም ምስ ኢያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="4">ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ።</verse>
				<verse number="5">ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።</verse>
				<verse number="7">ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም።</verse>
				<verse number="8">ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።</verse>
				<verse number="10">እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።</verse>
				<verse number="11">እቶም መራሕትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎም ህዝብን ከዓ ኸምዙይ በሉና፦ ‘ስንቂ ንመንገድኹም ተማሊእኹም ክትቅበልዎም ኪዱ። ንሕና ሓሻኽርኩም ኢና፥ ሕዚ ኸዓ ቓል ኪዳን እተዉልና በልዎም’ በሉና።</verse>
				<verse number="12">ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን።</verse>
				<verse number="15">ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።</verse>
				<verse number="16">ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና።</verse>
				<verse number="20">ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።”</verse>
				<verse number="22">ኢያሱ ድማ ንሰብ ጊብዓ ናብኡ ፀዊዑ “ኣብ ጥቓና እናሃለኹምስ ‘ንሕና ኻባኻትኩም እምብዛ ርሑቓት ኢና’ ብምባል ስለ ምንታይ ኣታለልኩምና?</verse>
				<verse number="23">ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና።</verse>
				<verse number="25">ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣብ ኢድካ ኢና፤ ንኣና ድማ ኽትገብሮ ፅቡቕን ቅኑዕን መሲሉ ዝተርኣየካ ግበረና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="26">ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።</verse>
				<verse number="27">ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ኢያሱ ንጋይ ከም ዝሓዛን ፈፂሙ ኸም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፥ ከምኡ ድማ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ ሰምዐ። እቶም ሰብ ጊብዓውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን፥ ኣብ ማእኸሎምውን ከም ዝነብሩን ሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">ጊብዓ ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ እኳ እትዓቢ ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥</verse>
				<verse number="4">“ገባዖን ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፥ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ።</verse>
				<verse number="6">ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢያሱ ኸዓ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ምሉእ ለይቲ ኽግስግስ ሓዲሩ፥ ብድንገት መፆም።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።</verse>
				<verse number="11">ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፥ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ። ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኣብ ልዕሊ ገባዖን ፀሓይ ትቑም፤ ኣብ ለሰ ኤሎውን፥ ወርሒ ትቑም።”</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ህዝቢ ንፀላእቱ ኽሳዕ ዝስዕሮም፥ ፀሓይ ቆመት፤ ወርሒውን ደው በለት። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ዘሎዶ ኣይኮነን? እታ ፀሓይ ኣብ ማእኸል ሰማይ ደንጐየት፤ ኣስታት ምሉእ ሓደ መዓልቲ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።</verse>
				<verse number="15">ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="17">ንኢያሱ ኸዓ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="18">ኢያሱ ድማ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራርዉ፤ ዝሕልውዎም ሰባት ከዓ ግበሩ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥</verse>
				<verse number="21">ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኢያሱ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ኣውፂእኹም ናባይ ኣምፅእዎም” በለ።</verse>
				<verse number="23">ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፥ ንንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንንጉስ ኬብሮን፥ ንንጉስ ያርሙት፥ ንንጉስ ላኪሶ፥ ንንጉስ ኣዶላም፥ ካብቲ በዓቲ ኣውፂኦም ናብኡ ኣምፅእዎም።</verse>
				<verse number="24">ነቶም ነገስታት ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ፀውዖም፤ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣሕሉቕ እቶም ተዋጋእቲ ድማ “ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ግበሩ” በሎም። ቀሪቦም ድማ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ።</verse>
				<verse number="25">ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪዙይ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣእዋም ድማ ሰቐልዎም፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ፀንሑ።</verse>
				<verse number="27">ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ብትእዛዝ ኢያሱ፥ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ኣፍ በዓቲ፥ ዓበይቲ ኣእማን ተገይሩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="28">ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።</verse>
				<verse number="29">ኢያሱ፥ ምስኡውን ኵሎም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፉ፤ ንሊብና ኸዓ ወግእዋ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።</verse>
				<verse number="31">ኢያሱ ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ሊብና ናብ ላኪሶ ሓለፉ እሞ ኸበብዋ፤ ወግእዋውን።</verse>
				<verse number="32">እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="34">ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን።</verse>
				<verse number="35">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="36">ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን።</verse>
				<verse number="37">ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="38">ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ።</verse>
				<verse number="39">ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="40">በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።</verse>
				<verse number="41">ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም።</verse>
				<verse number="42">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ።</verse>
				<verse number="43">ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥</verse>
				<verse number="2">ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቶምን ምስ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን መፁ። ምብዛሖም ከዓ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።</verse>
				<verse number="9">ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ በታ ጊዜ እቲኣ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ሰየፎ። ሓፆር ቀደም ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ኸተማኣተን ዝነበረት እያ።</verse>
				<verse number="11">ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ንሓፆርውን ብሓዊ ኣንደዳ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="13">ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን።</verse>
				<verse number="14">ደቂ እስራኤል ንዅሉ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ምርኮን እንስሳን ንባዕላቶም ገበርዎ፤ ንዅሉ ሰብ ግና ኽሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።</verse>
				<verse number="16">ኢያሱ ኸዓ ንዅላ እታ ሃገር፥ ምድሪ ደጕዓን ኵሉ ደቡብን ኵላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ጐልጐልን እምባታት እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ።</verse>
				<verse number="17">ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="18">ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።</verse>
				<verse number="19">ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።</verse>
				<verse number="21">በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ካብ ዔናቃውያን ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጌትን ኣብ ኣዛጦንን ግና ቑሩብ ተሪፎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="2">ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ እቲ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን፥ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን ወሰን ዝኾነ ሩባ ያቦቅን፥ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኻብ ባሕሪ ጨው ብደቡብ ድማ ኽሳዕ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እቲ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኣብ እምባ ኣርሞንኤምን ኣብ ሳልካን ኣብ ዅሉ ባሳንን ክሳዕ ወሰን ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ ወሰን ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፥ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ ዑና ዝኾነ እምባ ሃላቅ ዝነበሩ፥ ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ብምክፍፋል ርስቲ ገይሩ ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">እታ ምድሪ ደጕዓን ሓውሲ ደጕዓን ቈላን ጎቦታትን ብደቡብ ድማ ምድረ በዳ ነበረት። ንሳ ኬጢያውያን፥ ኣሞራውያን፥ ከነዓናውያን፥ ፈሪዛውያን፥ ኤዋውያን፥ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ነበረት።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ኢያሪኮ፥ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘላ ጋይ፥</verse>
				<verse number="10">ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥</verse>
				<verse number="11">ንጉስ የርሙት፥ ንጉስ ለኪሶን፥</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ኣዶላም፥ ንጉስ ጌዘር፥</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ዳቤር፥ ንጉስ ጌድር፥</verse>
				<verse number="14">ንጉስ ሔርማ፥ ንጉስ ዓድራ፥</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥</verse>
				<verse number="16">ንጉስ መቄዳ፥ ንጉስ ቤቴል፥</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ታጱዋ፥ ንጉስ ኦፌር፥</verse>
				<verse number="18">ንጉስ ኣፌቅ፥ ንጉስ ለሸሮን፥</verse>
				<verse number="19">ንጉስ ማዶን፥ ንጉስ ሓሶር፥</verse>
				<verse number="20">ንጉስ ሺምሮን ሚሮን፥ ንጉስ ኣዚፍ፥</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ታዕናክ፥ ንጉስ መጊዶ፥</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ቃዴስ፥ ንጉስ ዮቅንዓም ኣብ ቀርሜሎስ፥</verse>
				<verse number="23">ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ዝነበረ፥ ንጉስ ኣህዛብ ጌልገላ፥</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ቲርሳ፥ እዚኣቶም ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ።</verse>
				<verse number="2">እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸዓ እዚኣ እያ፦ ኵለን ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ጌሹራውያንን፥</verse>
				<verse number="3">ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ።</verse>
				<verse number="4">ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥</verse>
				<verse number="5">ምድሪ ጌባላውያን፥ ብምሉኡ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብቲ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓል ጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዘእቱ።</verse>
				<verse number="6">ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”</verse>
				<verse number="8">ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="9">እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥</verse>
				<verse number="11">ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥</verse>
				<verse number="12">ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ።</verse>
				<verse number="13">ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="14">ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="16">ወሰኖም ከዓ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማን፥ ጐልጐል ሜድባ ብምሉኡን፥</verse>
				<verse number="17">ክሳዕ ሓሴቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታታን፥ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፥</verse>
				<verse number="18">ያሕፃን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፥</verse>
				<verse number="19">ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥</verse>
				<verse number="20">ቤት ፌጎርን ጎቦታት ፈስጋን፥ ቤትየሺሞትን፥</verse>
				<verse number="21">ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም።</verse>
				<verse number="22">ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="23">ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ዝሃቦም ርስቲ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="25">ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ሓሴቦን ድማ ኽሳዕ ራማት ሚፅጴን በጦኒምን፥ ካብ መሃናይም ከዓ ኽሳዕ ወሰን ዳቤር ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ጋድ ነበራ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="30">ወሰኖም ካብ መሃናይም ባሳን ብምሉኡ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፥ ስሳ ኸተማታት፥</verse>
				<verse number="31">ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።</verse>
				<verse number="32">እተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ሙሴ ርስቲ ዘካፈሎም፥ እዚኣተን እየን፤</verse>
				<verse number="33">ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦</verse>
				<verse number="2">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።</verse>
				<verse number="3">ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን።</verse>
				<verse number="5">ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ነታ ምድሪ ኽስልል፥ ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሰደኒ እንተሎ፥ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ኣነውን ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ።</verse>
				<verse number="9">ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝኣመንካዮ፥ እታ እግርኻ ዝረገፀታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን’ ኢሉ መሓለ።</verse>
				<verse number="10">“ሕዚ ድማ እንሆ፥ እግዚኣብሄር እዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ኻብ ዝነግሮ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኾለል ይብሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዝተናገረኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሑኒ ኣሎ። እነሆ፥ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ሎሚ ሓይለይ ከምቲ ሙሴ ኽልእኸኒ እንተሎ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ። ንውግእ ንምውፃእ ኾነ ንምእታው ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተናገሮ፥ እዝ ደጕዓ እዙይ ሃበኒ። ደቂ ዔናቅ ኣብኡ ኸም ዝነብሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ኸም ዘለዋኦም፥ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸሳጕጎም እየ።”</verse>
				<verse number="13">ኢያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ መረቖ፤ ርስቲ ኽትኮኖ ኸዓ ንኬብሮን ሃቦ።</verse>
				<verse number="14">ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛዊ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቱ ኾይና ኣላ።</verse>
				<verse number="15">ቀደም ኬብሮን፥ ቂርያትኣርባቅ ትብሃል ነበረት፤ እዝ ኣርባቅ ኻብ ደቂ ሰብ ዔናቅ እቲ ዝዓበየ ሰብ ነበረ። እታ ሃገር ድማ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።</verse>
				<verse number="3">ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር።</verse>
				<verse number="4">ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ነበረ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰኖም እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።</verse>
				<verse number="8">በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="10">ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="12">ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ ንእትብሃል ከተማ፥ ግደ ሃቦ፤ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="16">ካሌብ ድማ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ተዋጊኡ ዝሕዛ፥ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ጎቶንያል፥ ወዲ ቄኔዝ ሓው ካሌብ፥ ሓዛ እሞ ንጓሉ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።</verse>
				<verse number="18">ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፤ ካብ ኣድጋ ኸዓ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ኴንኪ?” በላ።</verse>
				<verse number="19">“በረከት ሃበኒ፤ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝተቐበልዎ ርስቲ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="21">እተን ብወገን ደቡብ ናብ ወሰን ኤዶምያስ ኣቢለን ኣብ ወሰን ዘለዋ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ እዚኣተን ነበራ፦ ቀብስኤልን ዔደርን ያጉርን፥</verse>
				<verse number="22">ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፥</verse>
				<verse number="23">ቃዴስን ሓፆርን ዪትናን፥</verse>
				<verse number="24">ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥</verse>
				<verse number="25">ሓፆር ሓዳታን ቄርዮት ሔፅሮንን፥ ወይ ሓፆር፥</verse>
				<verse number="26">ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፥</verse>
				<verse number="27">ሓፃር ጋዳን ሔሽሞንን ቤትጰለጥን፥</verse>
				<verse number="28">ሓፃር፥ ሹዓልን ቤርሳቤህን ቢዝዮትያን፥</verse>
				<verse number="29">በዓላን ዒዪምን ዓፀምን፥</verse>
				<verse number="30">ኤል ቶላድን ኪሲልን ሔርማን፥</verse>
				<verse number="31">ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥</verse>
				<verse number="32">ልባዎትን ሺልሂምን ዓይንን ሪሞንን። ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ቈላ ዘለዋ ኸተማታት ድማ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦልን ፆርዓን ኣሽናን፥</verse>
				<verse number="34">ዛኖዋን ዓይንገኒምን ታጱዋን ዓይናምን፥</verse>
				<verse number="35">የርሙትን ዓዶላምን ሶኰትን ዓዜቃን፥</verse>
				<verse number="36">ሸዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን እየን። ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።</verse>
				<verse number="37">ፅናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፥</verse>
				<verse number="38">ዲልዓንን ምፅጳን ዩቅትኤልን፥</verse>
				<verse number="39">ለኪሶንን ቦፅቃትን ኣዶላምን፥</verse>
				<verse number="40">ከቦንን ለሕማስን ኪትሊሽን፥</verse>
				<verse number="41">ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።</verse>
				<verse number="42">ልብናን ዔቴርን ዓሻንን፥</verse>
				<verse number="43">ይፍታሕን ኣሽናን ንፂብን፥</verse>
				<verse number="44">ቅዒላን ኣክዚብን ማሪሳን። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቝሸታትውን ይውስኽ።</verse>
				<verse number="45">ኣስቀሎና ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ቍሸታትን፥</verse>
				<verse number="46">ካብ ኣስቀሎና ጀሚሩ ኽሳዕ ዓብዪ ባሕሪ፥ ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ዅለን ምስ ቍሸታተን፥</verse>
				<verse number="47">ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን።</verse>
				<verse number="48">ኣብ ደጕዓ ድማ፦ ሳምር የቲርን፥</verse>
				<verse number="49">ሶኮ ደና ዳቤር እትበሃል ቂርያትሰና፥ ዓናብ፥</verse>
				<verse number="50">ኤሽትሞዓ ዓኒም፥</verse>
				<verse number="51">ጎሶም ሖሎን ጊሎ። ኵለን ዓሰርተ ሓደ ኸተማታትን ቍሸታትን።</verse>
				<verse number="52">ኣራብ ዱማ ኤሼዓን፥</verse>
				<verse number="53">ያኒምን ቤትታጱዋ ኣፌቃ፥</verse>
				<verse number="54">ሑምጣ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን፥ ፂዖር። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታትን ቍሸታትን።</verse>
				<verse number="55">ማዖን ቀርሜሎስ ዚፍ ዩጣ ኢይዝራኤል፥</verse>
				<verse number="56">ዮቅድዓም ዛኖዋሕ፥</verse>
				<verse number="57">ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን</verse>
				<verse number="58">ሓልሑል ቤትፁር ግዶር፥</verse>
				<verse number="59">ማዓራት ቤትዓኖት ኤልትቆን። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቍሸታት ኣለዋ።</verse>
				<verse number="60">ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="61">ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥</verse>
				<verse number="62">ኒብሻን ከተማ ጨው ዓይንጋዲ። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቝሸታት ኣለዋ።</verse>
				<verse number="63">ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">እቲ ንደቂ ዮሴፍ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ድማ ኻብ ዮርዳኖስ ጥቓ ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቑ ንማይ ኢያሪኮ፥ ካብ ኢያሪኮ ድማ በቲ ናብ ደጕዓ ቤቴል ዘድይብ ምድረ በዳ ወፀ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ቤቴል ናብ ሎዛ ወፂኡ ኸዓ፥ ብወሰን ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="3">ብምዕራብ ከዓ ናብ ወሰን ያፍለጣውያን ክሳዕ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዝርን ይወርድ፤ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ድማ ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="4">ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ።</verse>
				<verse number="5">ወሰን ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ፦ ወሰን ርስቶም ብምብራቕ ኣጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕለዋይ ቤትሖሮን እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ወሰን ብወገን ምዕራብ ከዓ ንሰሜን ሚክምታት ይበፅሕ፤ እቲ ወሰን ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ተኣናትሴሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ኢያኖክ ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ኢያኖክ ኸዓ ናብ ዓጣሮትን ናብ ንዓራትን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="3">ግና ሰለጰኣድ፥ ወዲ ኦፌር ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ኣጓላት ጥራሕ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም እተን ኣዋልዱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ዔግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።</verse>
				<verse number="5">እተን ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፥ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ዓሰርተ ዕፃ በፅሖ። ምድሪ ገለዓድ ከዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኾነት።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="8">ምድሪ ታጱዋ ንምናሴ ኾነት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ኸተማ ታጱዋ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት።</verse>
				<verse number="9">እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="10">ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና።</verse>
				<verse number="12">ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="13">ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ፥ ነቶም ከነዓናውያን ናይ ጕልበት ግብሪ ኣገበርዎም እምበር፥ ኣይሰጐጕዎምን።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ኢያሱ ኸዓ “ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንኩም እሞ ዀረብታታት ኤፍሬም እንተ ደኣ ፀቢቡኩም፤ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ራፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይቡሞ ኣብኡ ንኣኻትኩም ለቢድኩም ኣቕንዑ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ።</verse>
				<verse number="17">ኢያሱ ኸዓ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ “ንስኻትኩም ብዙሕ ህዝቢ ኢኹም፤ ዓብዪ ሓይሊውን ኣለኩም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብፅሐኩም፥</verse>
				<verse number="18">እቲ ዀረብታታት ድማ ንኣኻትኩም ይኹን፤ ዱር እኳ እንተ ኾነ፥ ለቢድኩም ኣቕንዑ እሞ ዅሉ ናታትኩም ክኸውን እዩ። ነቶም ከነዓናውያን ከዓ፥ ሰረገላ ሓፂን እኳ እንተ ሃለዎም፥ ሓያላትውን እንተ ኾኑ፥ ክተውፅእዎም ኢኹም” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።</verse>
				<verse number="2">እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ?</verse>
				<verse number="4">ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሰሰለስተ ሰባት ሕረዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽልእኾም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነታ ሃገር ይዙርዋ፤ ብመጠን ርስቶምውን ፅሒፎም ናባይ የምፅእዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="8">እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="9">እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዕፃ ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። እቲ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸዓ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ነበረ፦</verse>
				<verse number="12">እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="13">ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ።</verse>
				<verse number="16">ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ።</verse>
				<verse number="17">ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ።</verse>
				<verse number="19">ቀፂሉ ኸዓ ብፀግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፤ ካብኡ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ናብ ደቡብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይሓልፍ፤ ብወገን ደቡብ ወሰኑ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ብወገን ምብራቕ ከዓ ወሰኑ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ወሰኑ ብዙርያኡ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ ኸከም ዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ኢያሪኮን ቤት ሖግላን ዓመቀፂፅን፥</verse>
				<verse number="22">ቤት ዓረባን ዘማራይምን ቤቴልን፥</verse>
				<verse number="23">ዓዊምን ፋራን ኤፍራታን፥</verse>
				<verse number="24">ክፊርዓሞናይን ዖፍኒን ጋባን፥ ኵለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="25">ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥</verse>
				<verse number="26">ምፅጳን ከፊራን ኣሞቂ፥</verse>
				<verse number="27">ሬቄምን ይርጵኤልን ተርኣላን፥</verse>
				<verse number="28">ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ቤርሳቤህን ሴባን ሞላዳን፥</verse>
				<verse number="3">ሓፃርሹዓልን ባላን ዔፄምን፥</verse>
				<verse number="4">ኤልቶላድን በቱልን ሔርማን፥</verse>
				<verse number="5">ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥</verse>
				<verse number="6">ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="7">ዓይንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ክሳዕ ባዕላትብዔር፥ ወይ እታ ናይ ደቡብ ራማት፥ ዘለዋ ዅለን ዓድታት እውን ምስኣተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ደቂ ይሁዳ ርስቶም የመና ገፊሕ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ብፅሒቶም ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ብርስትነት ተውሃቦም። ብኸምዙይ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ርስቲ ወረሱ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሳልሳይ ዕፃ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ከዓ ኽሳዕ ሳሪድ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ብወገን ምዕራብ ናብ መርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ደባሼት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንፅር ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።</verse>
				<verse number="13">ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤</verse>
				<verse number="15">እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="16">እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።</verse>
				<verse number="17">እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦</verse>
				<verse number="18">ወሰኖም ናብ ኢይዝራኤልን ከስሎትን ሱነምን ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="19">ናብ ሓፍራይምን ሺኦንን ኣናሓራትን፥</verse>
				<verse number="20">ረቢትን ቂሶንን ኣቤፅን፥</verse>
				<verse number="21">ሬሜትን ዓይንጋኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳፄፅን ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="23">እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም እየን።</verse>
				<verse number="24">እቲ ሓምሻይ ዕፃ ኸዓ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም በፅሖም።</verse>
				<verse number="25">ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣዚፍን።</verse>
				<verse number="26">ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="27">ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ።</verse>
				<verse number="28">ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="30">ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="31">እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።</verse>
				<verse number="32">እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም።</verse>
				<verse number="33">ወሰኖም ድማ ኻብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ለቁም በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይድይብ።</verse>
				<verse number="34">ንምዕራብ ኣቢሉ ኸዓ፥ ናብ ኣዝኖትታቦር ይበፅሕ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ እሞ፥ ብደቡብ ናብ ዛብሎን፥ ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ናብ ይሁዳ ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="35">እተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ድማ፥ ፂድምን ፄርን ሓማትን ረቃትን ኬኔሬትን፥</verse>
				<verse number="36">ኣዳማን ራማን ሓሶርን፥</verse>
				<verse number="37">ቃዴስን ኤድራይን ዓይንሓፆርን፥</verse>
				<verse number="38">ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="39">እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ቍሸታተን ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።</verse>
				<verse number="40">እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም።</verse>
				<verse number="41">ወሰን ርስቶም ፆርዓን ኤሽታኦልን ዒርሸሜሽን፥</verse>
				<verse number="42">ሸዕለቢንን ኤሎንን ይትላን፥</verse>
				<verse number="43">ኤሎንን ትምናን ኣቃሮንን፥</verse>
				<verse number="44">ኢልተቄን ገባቶንን ባዕላትን፥</verse>
				<verse number="45">ይሁድን ብኔብረቅን ጋትሪሞንን፥</verse>
				<verse number="46">ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ።</verse>
				<verse number="47">ደቂ ዳን ምስ ፀገሞም ንሌሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፤ ነቶም ህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ፤ ንሌሼም ድማ ብስም ኣቦኣቶም “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ።</verse>
				<verse number="48">እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።</verse>
				<verse number="49">ነታ ምድሪ በብወሰና ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="50">ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="51">ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተናገሮም፦ እቲ እንተይፈለጠን እንተይፈተወን ሰብ ዝቐተለ፥ እቲ ቐታሊ ናብኣተን ክሃድም እሞ ኻብ ፈዳዪ ደም መዕቘቢ ክኾናኹም፥ እተን ብሙሴ ኣቢለ ዝኣዘዝኩኹም መዕቘቢ ኸተማታት ፍለይወን።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ።</verse>
				<verse number="5">ቅድም ኢሉ ፅልኢ እንተይነበሮ እንተይፈለጠ ንብፃዩ ስለ ዝቐተሎ፥ እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰዓቦ፥ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውምን፥ እቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውትን ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብታ ገዲፍዋ ዝሃደመ ኸተማኡ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ይእቶ በሎ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ።</verse>
				<verse number="9">እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="4">ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።</verse>
				<verse number="6">ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።</verse>
				<verse number="7">ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="9">ስም እተን ካብ ምድሪ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ንሌዋውያን ዝተውሃባ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦</verse>
				<verse number="10">(ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ዓሌታት ቀዓታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፥ ቀዳማይ ዕፃ ስለ ዝበፅሖም፥ እተን ከተማታት ንኣኣቶም ተውሃባ።)</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣን ሃብዎም፤ እዝ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ገራሁ እታ ኸተማን ቍሸታታን ግና ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ርስቲ ክኾናኦ ተውሂበን ነበራ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ንደቂ ኻህን ኣሮን እታ ሰብ ንዝቐተለ መዕቘቢ እትኸውን ከተማ ኬብሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሊብና ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="14">የቲር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኤሽትሞዓ ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="15">ሖሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳቤር ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="16">ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="17">ካብ ነገድ ብንያም ድማ ገባዖን ምስ መዋፈሪኣ፥ ናሲብ ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="18">ኣናቶት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓልሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="19">ድምር እተን ንኻህናት ደቂ ኣሮን ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪአን ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ሌዋውያን፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም ብዕፃ ዝበፅሓኦም ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፦</verse>
				<verse number="21">ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ሴኬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="22">ቂብፃይም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሖሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="23">ካብ ነገድ ዳን ከዓ ኤልትቄ ምስ መዋፈሪኣ፥ ጊብቶን ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="24">ኤሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ጋትሪሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ታዕናክ ምስ መዋፈሪኣን፥ ጌት ሪሞን ምስ መዋፈሪኣን፥ ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="26">ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን።</verse>
				<verse number="27">እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="29">ያርሙት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዔንጋኒም ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ሚሽኣል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="31">ሔልቃት ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="33">ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን።</verse>
				<verse number="34">እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="35">ዲሞና ምስ መዋፈሪኣ፥ ነህላል ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="37">ቅዴሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ሜፌዓት ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="38">ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥</verse>
				<verse number="39">ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="40">ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን።</verse>
				<verse number="41">እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።</verse>
				<verse number="42">ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን።</verse>
				<verse number="43">እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ።</verse>
				<verse number="44">እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="45">ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ሽዑ ኢያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀዊዑ፥</verse>
				<verse number="2">“ንስኻትኩም እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኵሉ ሓሊኹም ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም እውን ጌርኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።</verse>
				<verse number="5">ግና እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍተውዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ኺዱ፤ ትእዛዛቱ ድማ ፈፅሙ፤ ናብኡውን ቕረቡ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ከዓ ኣምልኽዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኢያሱ መሪቑ ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ዓዶም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="7">ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ኢያሱ ነቲ ፍርቂ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። ኢያሱ ናብ ዓዶም ክሰዶም እንተሎ መረቖም፤</verse>
				<verse number="8">“ምስ ብዙሕ ሃብቲ፥ ምስ ብዙሕ እንስሳ፥ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ነሃስን ምስ ሓፂንን፥ ምስ ብዙሕ ኽዳውንትን ናብ ኣባይትኹም ተመለሱ፤ ነቲ ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ” እውን በሎም።</verse>
				<verse number="9">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።</verse>
				<verse number="10">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="13">ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ።</verse>
				<verse number="14">ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹመኛታት ለኣኹ፤ ንሳቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ዝተዋፅኡ፥ ኣሕሉቕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነገዳት ደቂ እስራኤል ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦</verse>
				<verse number="16">ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም።</verse>
				<verse number="17">ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን።</verse>
				<verse number="18">ሕዝኸ ኻብ እግዚኣብሄር ዲኹም ትርሕቑ ዘለኹም? ሎሚ ንእግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኸዲዕኹምዎ፥ ፅባሕ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክቝጥዖ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ።</verse>
				<verse number="20">ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ነቶም ዝተረፉ ኣእላፋት ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል መሊሶም ከምዙይ በልዎም፦</verse>
				<verse number="22">“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።</verse>
				<verse number="23">ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።”</verse>
				<verse number="24">ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ።</verse>
				<verse number="25"></verse>
				<verse number="26">በዙይ ከዓ ኢና “መሰውኢ ንንደቕ፤ ግና ንዝቃፀል መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕሩድን ኣይኹን” ዝተበሃሃልና።</verse>
				<verse number="27">ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ “ንመፃኢ ንኣና ወይ ንውሉድ ወለዶና ‘ግደ የብልኩምን’ እንተ በሉና ‘ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ዝመስል መሰውኢ ርአዩ፤ ንሱ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኮነን፤ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ደኣ ምስክር እዩ’ ክንብሎም ኢና በልና።</verse>
				<verse number="29">“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="31">ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="33">እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን።</verse>
				<verse number="34">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ኢሎም ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥</verse>
				<verse number="2">ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ንዓበይቶምን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ብዕድመውን ሸምጊለ እየ፤</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="4">ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ፥ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕፃ ኸፈልኩልኩም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">“ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ።</verse>
				<verse number="7">ምስዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶም ኣይትተሓወሱ፤ ስም ኣማልኽቶም ኣይትፀውዑ፤ ብኣማልኽቶም ኣይትምሓሉ፤ ንኣማልኽቶም ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎምውን።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅንዑ።</verse>
				<verse number="9">“እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="12">“እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥</verse>
				<verse number="13">ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="14">“እንሆ ኸዓ፥ ኣነ ሎሚ መንገዲ ኵላ ምድሪ ኣኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ።</verse>
				<verse number="4">ንይስሓቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብኩዎ። ንኤሳው ከዓ ዀረብታታት ኤዶምያስ ክወርስ ሃብኩዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብፂ ወረዱ።</verse>
				<verse number="5">ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም።</verse>
				<verse number="6">ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥</verse>
				<verse number="7">ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።</verse>
				<verse number="8">ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም።</verse>
				<verse number="11">ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዘሳጉግ ዕኮት ቀቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፥ ብሰይፍኹምን ብቐስትኹምን ኣይሰጐጕኩምዎምን።</verse>
				<verse number="13">ዘይፀዓርኩምላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፤ ኣብኣተን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ በላዕኹም።</verse>
				<verse number="14">“ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ።</verse>
				<verse number="15">ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአና፥ ዓበይቲ ተኣምራት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መንገድን ኣብቶም ብማእኸሎም ዝሓለፍና ዅሎም ኣህዛብንውን ዝሓለወና፥ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩሞ።</verse>
				<verse number="18">ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="19">ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንባዕዳን ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩም፥ ንሱ ቕድም እኳ ፅቡቕ እንተ ገበረልኩም፥ ተመሊሱ ኽቐፅዐኩምን ከጥፍአኩምን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ።</verse>
				<verse number="22">ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ።</verse>
				<verse number="23">“እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።”</verse>
				<verse number="24">እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ህዝቢ ቓል ኪዳን ኣተወ፤ ሕግን ፍርድን ከዓ ኣብ ሴኬም ኣቖመሎም።</verse>
				<verse number="26">ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።</verse>
				<verse number="27">ኢያሱ፥ ነቶም ኵሎም እቶም ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበና ዅሉ ቓል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ምስክር ክኸውን እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣምላኽኩም እንተ ኸሓድኩምዎ ንሱ ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።</verse>
				<verse number="29">ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="31">ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዅሉ ዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር የምልኽዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም።</verse>
				<verse number="33">ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="7">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ “ነገድ ይሁዳ ይደይብ፤ እንሆ፥ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ይሁዳ ኸዓ ንደቂ ስምኦን ኣሕዋቶም፥ “ምስ ከነዓናውያን ክንዋጋእስ፥ ናብቲ ብፅሒትና ንዑናይ ምሳና ኺዱ፤ ንሕና ኸዓ ናብቲ ብፅሒትኩም ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” በልዎም። ደቂ ስምኦን ድማ ምስኣቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="4">ደቂ ይሁዳ ድማ ደዪቦም ተዋግኡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።</verse>
				<verse number="5">ንኣዶኒቤዜቅ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፤ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ከዓ ሰዓርዎም።</verse>
				<verse number="6">ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሃደመ፤ ንሳቶም ድማ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፤ ዓባይቶ ኣእዳዉን ኣእጋሩንውን ቈረፅዎ።</verse>
				<verse number="7">ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ።</verse>
				<verse number="8">ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋጊኦም ሓዝዋ። ንህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣባርዕዋ።</verse>
				<verse number="9">ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኡ ወረዱ።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪዙይ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ከነዓናውያን ከዱ። ኬብሮን ቀደም ቂርያት ኣርባቅ ትብሃል ነበረት። ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሜንን ድማ ቐተሉ።</verse>
				<verse number="11">ካብኡ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ኽወግኡ ኸዱ። ዳቤር ቀደም ቂርያትሴፍር ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="12">ካሌብ ድማ “ንቂርያትሴፍር ተዋጊኡ ዝሓዛ፥ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="13">ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ከዓ ሓዛ። ካሌብ ድማ ዓክሳ ጓሉ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።</verse>
				<verse number="14">ንሳ ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ንሳ ኸዓ ኻብ ኣድጊ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?” በላ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ፤ ኣብ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ፥ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="17">ብድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስ ኣሕዋቶም ደቂ ስምኦን ከዱ፤ ነቶም ኣብ ፅፋት ዝነበሩ ከነዓናውያን ተዋግእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ወቂዖም ኣጥፍእዋ። በዙይ ከዓ ሔርማ ተብሃለት።</verse>
				<verse number="18">ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ኰረብታታት ዝነበሩ ኣልቀቕዎም፤ ነቶም ኣብ ለሰ ዝቕመጡ ዝነበሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="20">ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።</verse>
				<verse number="21">ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን። እቶም ኢያቡሳውያን ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ቤት ዮሴፍ ንቤቴል ዝስልሉ ለኣኹ። እታ ኸተማ ቐደም ሎዛ ትብሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="24">እቶም ሰለልቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ እንትወፅእ ሪኦም፥ “በይዛኻ፥ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፥ ሰናይ ክንገብረልካ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም።</verse>
				<verse number="26">እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከይዱ ኸተማ ኣጣየሸ፤ ሎዛ ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ሎዛ ትበሃል ኣላ።</verse>
				<verse number="27">ደቂ ምናሴ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤትሳንን ኣብ ከባቢኣን፥ ታዓናቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ዶርን ኣብ ከባቢኣን፥ ይብልዓምን ኣብ ከባቢኣን፥ መጊዶንን ኣብ ከባቢኣን፥ ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን። ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረፁ።</verse>
				<verse number="28">ደቂ እስራኤል ምስ በርትዑ ድማ ነቶም ከነዓናውያን ኣገበርዎም፤ ካብታ ሃገር ግና ኣይሰጐጕዎምን።</verse>
				<verse number="29">ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="30">ከምኡ ድማ ደቂ ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂድሮንን ኣብ ነህሎልን ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ተቐመጡ፤ ገባራቶም ድማ ኮኑ።</verse>
				<verse number="31">ደቂ ኣሴርውን ነቶም ኣብ ዓኮንን ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሒልባንን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ረዓብን ይነብሩ ንዝነበሩ ኣየውፅእዎምን።</verse>
				<verse number="32">ስለ ዘይሰጐጕዎም ከዓ፥ ኣሴራውያን ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="33">ከምኡውን ደቂ ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሳምስን ኣብ ቤትዓናትን ንዝነብሩ ሰባት ኣየውፅእዎምን፤ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ደኣ ተቐመጡ እምበር። እቶም ኣብ ቤት ሳሚስን ኣብ ቤት ዓናትን ዝነብሩ ግና ገባራቶም ኮኑ።</verse>
				<verse number="34">እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ኰረብታታት ከድሐርሕሩ ኣሳጐጕዎም፤ ናብ ለሰ ኸይወርዱውን ከልከልዎም።</verse>
				<verse number="35">ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሓሬስን ኣብ ኤሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ክቕመጡ ቘረፁ፤ ግና ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፤ ኣገበረቶምውን።</verse>
				<verse number="36">ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ጌልገላ ናብ ቦኪም ደዪቡ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ናብታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸዓ ኣእተኹኹም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ።</verse>
				<verse number="2">ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፤ መሰውኢታቶምውን ኣፍርሱ፥ ኢለ ኣዚዘኩም ነይረ። ንስኻትኩም ግና ንቓለይ ኣይሰማዕኹምዎን፤ ስለ ምንታይ ኢኹም እዙይ ዝገበርኩም?</verse>
				<verse number="3">ሕዚ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፤ ካብ ቅድሜኹም ኣየውፅኦምን እየ፤ ከጨንቑኹም እዮም፤ ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ክኾኑኹም እዮም በልኩ።</verse>
				<verse number="4">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ።</verse>
				<verse number="5">ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፤ ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።</verse>
				<verse number="6">ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፥ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኽወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ።</verse>
				<verse number="8">ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።</verse>
				<verse number="9">ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="11">ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ። ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ኣህዛብ ከዱ፤ ንኣኣቶምውን ሰገዱሎም። በዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="13">ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ዝማርኽዎም ዘድሕንዎም መራሕቲ ኣተስአሎም።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን።</verse>
				<verse number="18">እቶም ፀላእቶም ምስ ገፍዕዎምን ምስ ኣሳቐይዎምን ክቝዝሙ እንተለዉ እግዚኣብሄር ሰሚዑ ራህርሀሎም እሞ መራሕቲ ኣተስአሎም፤ እግዚኣብሄር በቲ መራሒ ገይሩ ብዅሉ ዘመን እቲ መራሒ ኻብ ኢድ ፀላእቶም የድሕኖም ነበረ።</verse>
				<verse number="19">እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን።</verse>
				<verse number="20">ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥</verse>
				<verse number="21">ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ድማ ንእስራኤል፥ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለውዎ፥ ብመንገደይ ብምኻድ ዝሕልዉ ወይ ዘይሕልዉ እንተ ኾይኖም በዙይ ክፍትኖም እየ።”</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብታ ምድሪ ኽነብሩ ሓደጎም፤ ናብ ኢድ ኢያሱውን ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ነቶም ምስ ከነዓናውያን ዝተገብረ ውግእ ዘይፈለጡ ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ ኽፍትኖም ዘትረፎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="2">እዙይ ነቶም ትውልዲ ደቂ እስራኤል፥ ብፍላይ ነቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዅሎም፥ ምውጋእ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝገበሮ ጥራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።</verse>
				<verse number="4">እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ነቦታቶም ዝኣዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝፍፅሙ እንተ ኾይኖም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ደቂ እስራኤል ክፍተኑሎም እዚኣቶም ተረፉ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="6">ኣጓላቶም ከዓ ኣንስቲ ክኾናኦም ወሰዱ፤ ንሳቶምውን ኣጓላቶም ነወዳቶም ሃቡ፤ ንኣማልኽቶምውን ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።</verse>
				<verse number="9">ግና ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ፥ ንጎቶንያል ኣተስአሎም፤ ንሱ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።</verse>
				<verse number="11">እታ ምድሪ እውን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ ከዓ ሞተ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸዓ፥ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ።</verse>
				<verse number="13">ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም፤ ከይዱውን ንደቂ እስራኤል ሰዓሮም፤ ንኸተማ ተምሪውን ሓዝዋ።</verse>
				<verse number="14">ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።</verse>
				<verse number="15">ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ግብሪ ንኤግሎን፥ ነቲ የመና ረጒድ ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ግብሪ ምስ ኣቕረበ፥ ነቶም ግብሪ ፆይሮም ዝነበሩ ሰባት ኣፋነዎም።</verse>
				<verse number="19">ናዖድ ግና ኻብታ ኣብ ጌልገላ ዘላ ትኹላት ኣእማን ዘለውዋ ስፍራ ተመሊሱ “ኦ ንጉስ! ዝነግረካ ምስጢር ኣለኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ስቕ በል” በለ። እቶም ምስ ንጉስ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከዓ ኻብኡ ወፁ።</verse>
				<verse number="20">ናዖድውን ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰገነት ንበይኑ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ንኣኻ ዝነግረካ ናይ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብ ዙፋኑ ተስአ።</verse>
				<verse number="21">ናዖድውን ፀጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማነይቲ ሰለፉ መዚዙ ናብ ከብዱ ሸኸለሉ።</verse>
				<verse number="22">እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣብ ከብዱ ኣተወት፤ ብዝባኑ ኸዓ ወፀት፤ ስብሒ ስለ ዝኸደና ኸዓ ኻብ ከብዱ ኣየውፅኣን።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ናዖድ ናብቲ ሰገነት ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ሰገነት ድማ ንድሕሪት ዓፅዩ ሸጐሮ።</verse>
				<verse number="24">ናዖድ ምስ ከደ፥ እቶም ሓሻኽሩ መፁ፤ እንሆ ኸዓ መዓፁ እቲ ሰገነት ተዓፅዩ ረአዩ፤ “ምናልባሽ ኣብ ሰገነት ናብ ቤት ንፅህና ኣትዩ ይኸውን” በሉ።</verse>
				<verse number="25">ክሳዕ ዝሓፍሩውን የመና ተፀበዩ። ነቲ ማዕፆ ሰገነት ከም ዘይኸፈቶ ምስ ረአዩ፥ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ፤ እንሆ ድማ፥ ጐይታኣቶም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="26">ናዖድ ግና ኽፅበዩ እንተለዉ ሃደመ፤ ናብ ማዕዶ ነቶም ዝተተኸሉ ኣእማን ሓሊፉ ናብ ዔይሮታም ኣቢሉ ድማ ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="27">ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="28">ናዖድ ድማ “እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን ፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ሰዓቡኒ” በሎም። ተኸቲሎምዎ ኸዓ ወረዱ፤ ነቲ ናብ ሞኣብ ዘሳግር፥ መሳገሪ ዮርዳኖስውን ሓዝዎ፤ ሓደ ሰብ ከም ዘይሓልፍ ድማ ገበሩ።</verse>
				<verse number="29">በታ ጊዜ እቲኣ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣኽሉ ምሩፃት ጀጋኑ ሞኣባውያን ቀተሉ። ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ኢዶም ኣየምለጠን።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደት። እታ ሃገር ከዓ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።</verse>
				<verse number="31">ብድሕሪኡ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ፤ ንሱ መውግኢ ብዕራይ ገይሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ንሱውን ንእስራኤል ኣድሓኖም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ናዖድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ዲቦራ ነቢዪት ሰበይቲ ለፊዶት ኣብ እስራኤል ትፈርድ ነበረት።</verse>
				<verse number="5">ንሳ ኸዓ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤቴልን፥ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዲቦራ ዝበሃል ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸዓ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ ምስ ሰረገላታቱን ምስ ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ሩባ ቂሶን ስሒበ ኸምፅኦ እየ፤ ናብ ኢድካ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን?’ ” በለቶ።</verse>
				<verse number="8">ባርቅ ድማ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፥ ክኸይድ እየ፤ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና ኣይከይድን እየ” በላ።</verse>
				<verse number="9">ንሳ ኸዓ “ብሓቂ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፤ ግና እግዚኣብሄር ንሲሳራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኣሕሊፉ ኽህቦ እዩ እሞ፥ በዝ እትኸዶ መንገዲ ንኣኻ ኽብረት ኣይኸውንን” በለቶ። ዲቦራ ድማ ተሲኣ፥ ምስ ባርቅ ናብ ቃዴስ ከደት።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ባርቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዖም፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራውን ምስኡ ደየበት።</verse>
				<verse number="11">ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።</verse>
				<verse number="12">ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሲሳራ፥ ንዅለን እተን ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ትሕዝቶ ኣህዛብ ካብ ዝኾነት ካብ ኣሪሶት ናብ ሩባ ቂሶን ኣኽተተ።</verse>
				<verse number="14">ዲቦራ ድማ ንባርቅ፥ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሳራ ናብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ ተስእ። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ወፂኡ ኣሎ” በለቶ። ሽዑ ባርቅ፥ ምስቶም ዓሰርተ ሽሕ ሰባት፥ ካብ እምባ ታቦር ወረደ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ ንሲሳራን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብስሕለት ሰይፊ ኣሸበሮም። ሲሳራ ኸዓ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ።</verse>
				<verse number="16">ባርቅ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ሰራዊትን ደድሕሪኣቶም ስዒቡ ኽሳዕ ትሕዝቶ ኣህዛብ ዝኾነት ኣሪሶት ኣሳጐጎም። ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="17">ሲሳራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ሃደመ። እዙይ ከዓ ኣብ መንጎ ኢያቢስ ንጉስ ሓፆርን ቤትሔቤር ቄናውን ሰላም ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኢያዔል ድማ ንሲሳራ ኽትቅበሎ ወፂኣ፥ “ጐይታይ! እቶ፥ ኣይትፍራሕ ናባይ እቶ” በለቶ። ናብኣ ናብ ድንኳና ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ብመጐናፀፍያኣ ሸፈነቶ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ድማ “ፀሚአ ኣለኹ እሞ በይዛኺ ዝሰትዮ ቝሩብ ማይ ሃብኒ” በላ። ንሳ ኸዓ ሓርቢ ፈቲሓ ፀባ ኣስተየቶ፤ ሸፈነቶውን።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ድማ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፤ ሰብ መፂኡ ‘ኣብዙይዶ ሰብ ኣሎ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኪ፥ የለን በሊ” በላ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ድማ ደኺሙ ኸቢድ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ። ሽዑ ኢያዔል ሰበይቲ ሔቤር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ መዶሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፥ ቀስ ኢላ ናብኡ ቐረበት፤ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ፤ ንሱ ከዓ ደቂሱ ነበረሞ፥ እቲ ሽኻል ክሳዕ ምድሪ ኣተወ፤ ንሱውን ሞተ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ ድማ፥ ባርቅ ንሲሳራ ኸሳጕጎ እንተሎ፥ ኢያዔል ክትቅበሎ ወፂኣ “እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካ ነዓ” በለቶ። ምስ ኣተወ ድማ ሲሳራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ረኸቦ፤ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንኢያቢስ፥ ንጉስ ከነዓን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ።</verse>
				<verse number="24">ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ክሳዕ ዘጥፍእዎ፥ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርትዐት ከደት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦</verse>
				<verse number="2">“መራሕቲ ኣብ እስራኤል ስለ ዝመርሑ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ባዕሉ ብፍቓዱ ነፍሱ ስለ ዝሃበ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣቱም ነገስታት ስምዑ፤ ኣቱም ሹመኛታትውን ፅን በሉ፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉ እየ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥ ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤ ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።</verse>
				<verse number="5">እምባታት ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ መኸኹ፤ እዝ ሲና ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።</verse>
				<verse number="6">ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥ ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤ ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ኣቲ ዲቦራ ንስኺ ኽሳዕ እትትስኢ፥ ኣብ እስራኤል እኖ ዄንኪ ኽሳዕ እትትስኢ፥ ሓያላት ኣብ እስራኤል ወሓዱ፤ ሃለቑውን።</verse>
				<verse number="8">ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፤ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ኮነ፤ ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤላውያን ከዓ ዋልታ ኾነ፥ ኲናት ኣይተርኣየን።</verse>
				<verse number="9">ልበይ ምስቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፥ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥ ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥ ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥ ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤ ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።</verse>
				<verse number="12">ተስኢ! ዲቦራ ተስኢ! ተስኢ! ተስኢ! መዝሙር ዘምሪ፤ ባርቅውን ተስእ! ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቶም ዝተረፉ፥ ናብቶም ሓያላቱን ናብ ህዝቡን ወረዱ፤ እግዚኣብሄርውን ምእንታይ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ወረደ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ኣማሌቅ ሱር ዝነበሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፤ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእኸል ህዝብታትካ፥ ኣሕሉቕ ከዓ ኻብ ማኪር፥ ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ።</verse>
				<verse number="15">ሹመኛታት ይሳኮርውን ምስ ዲቦራ ነበሩ፤ ይሳኮርውን ከም ባርቅ ነበረ፤ ቀልጢፎም ደድሕሪኡ ናብቲ ለሰ ጐየዩ፤ ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥ ብዙሕ ምምንታእ ልቢ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ስለ ምንታይከ ፋፃ መጓሰ ኽትሰምዕ፥ ኣብ ማእኸል ደምበታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ? ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥ ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ገለዓድ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐመጠ፤ ዳንከ ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ መራኽብ ተረፈ? ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፤ ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ።</verse>
				<verse number="18">ዛብሎን ንነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፤ ንፍታሌምውን ኣብቲ በረኽቲ በረኻ ኸምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="19">ነገስታት መፂኦም ተዋግኡ፤ ኣብ ታዕናክ፥ ኣብ ማያት መጊዶ፥ ነገስታት ከነዓን ተዋግኡ፤ ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።</verse>
				<verse number="20">ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤ ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኻብ ጥንቲ ዝተፈለጠ ፈለግ ቂሶን፥ ፀራሪጉ ወሰዶም፤ ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥ ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።</verse>
				<verse number="23">መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ‘ንሜሮዝ ርገሙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓያላት ንምርዳእ፥ ንእግዚኣብሄር ንምሕጋዝ ኣይመፁንሞ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ።</verse>
				<verse number="24">ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ማይ ለመነ፥ ግና ፀባ ሃበቶ፤ ብመስተዪ ኽቡራት ገይራ፥ ርግኦ ኣቕረበትሉ።</verse>
				<verse number="26">ኣእዳዋ ናብ ሽኻል ወሰደት፤ የማነይቲ ኢዳውን ናብ መዶሻ ሰራሕተኛ ገበረት፤ ንሲሳራ ድማ ብመዶሻ ወቕዐቶ፤ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፤ ጕንዲ እዝኑ ኣንኲላ ጐድአቶ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ መንጎ ኣእጋራ ተደፊኡ ወዲቑ ሞተ፤ ለጥውን በለ፤ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕፅ ኢሉ ወደቐ፤ ኣብቲ ዝተቘልዐፀሉ፥ ኣብኡ ወዲቑ ሞተ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ መስኰት ኮይና ጠመተት፤ እኖ ሲሳራ በቲ ዓይኒ ርግቢ ኾይና ዓው ኢላ ፀውዐት፤ ‘ሰረገላኡ ስለ ምንታይ ምምፃእ ደንጐየ? ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት።</verse>
				<verse number="29">እተን ብልሓተኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፤ ንሳውን ንርእሳ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፤</verse>
				<verse number="30">‘ምርኮዶ ረኺቦም ኣይኮኑን? ተኻፊሎምከ የለዉንዶ? ምርኮ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ሓሓንቲ ወይ ከክልተ ቘናጁ፥ ምርኮ ንሲሳራ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፥ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፥ ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’</verse>
				<verse number="31">ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤ እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥ ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።” ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="2">ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ኣብኣቶም ሰፊሮም ከዓ ኽሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ፥ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፤ ምግቢ ኾነ በጊዕ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ኣብ እስራኤል ኣይሓድጉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ህዝቢ እስራኤል ብምድያማውያን ብዙሕ ተሸገሩ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ጠርዑ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነቢይ ሰደደሎም። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብቲ ዝነበርኩምዎ ባርነት ኣናገፍኩኹም፥</verse>
				<verse number="9">ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም።</verse>
				<verse number="10">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="11">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤</verse>
				<verse number="18">ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ።</verse>
				<verse number="20">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዝ ኰዅሒ፥ እዙይ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕውን ኣብ ልዕሊኡ ኣፍስሶ” በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ጌዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ጌዴዎን ከዓ ደንጊፁ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ሪአዮ እየሞ ወይለይ” በለ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይዞኻ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።</verse>
				<verse number="25">በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ናይ ኣቦኻ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፥ ነቲ ኣቦኻ ንጣዖት በዓል ዝስውአሉ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ጣዖት ኣስታሮት ምስሊ ኸዓ ቝረፆ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ጌዴዎን ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ግና ብመዓልቲ ኸይገብሮ፥ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሐ፥ ብለይቲ ገበሮ።</verse>
				<verse number="28">ንፅባሒቱ ሰባት እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ እቲ መሰውኢ ጣዖት በዓል ፈሪሱ፥ እቲ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ኸዓ ተቘሪፁ፥ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="29">ንስንሳቶም ድማ “እዝ ነገር እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ተበሃሃሉ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ “እዝ ነገር እዙይ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ ዝገበሮ” በሉ።</verse>
				<verse number="30">ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ።</verse>
				<verse number="31">ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ዅሎም ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="34">መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="35">ናብ ኵሉ ነገድ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ነገዳት ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ወፁ።</verse>
				<verse number="36">ጌዴዎን ድማ ንእግዚኣብሄር “ንእስራኤል ብኢደይ ክተድሕኖም እንተ ዄንካ፥</verse>
				<verse number="37">እንሆ እምበኣር፥ ኣነ ነዝ ቝሩፅ ፀምሪ እዙይ ኣብዝ ዓውዲ ኣንብሮ ኣለኹ። ኵላ ምድሪ ንቕፅቲ፥ ኣብዝ ፀምሪ እዙይ ጥራሕ ከዓ ኣውሊ እንተ ኾነ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቲ ፀምሪ ፀሞቖ፤ ካብቲ ፀምሪ ኸዓ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውፅአ።</verse>
				<verse number="39">ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="40">ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ኮነ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግና ኣውሊ ኾነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም።</verse>
				<verse number="3">እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “እዝ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፤ ናብ ማይ ኣውርዶም እሞ፥ ኣብኡ ኽፈትኖም እየ። እቲ ኣነ ‘እዙይ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ፥ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፥ እቲ ‘ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ዅሉ ኸዓ፥ ምሳኻ ኣይኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ጌዴዎን ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ብመልሓሱ ማይ ዝሰቲ ንበይኑ ፍለዮ፤ ነቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ዝሰቲውን ከምኡ ንበይኑ ፍለዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኵሎም እቶም ብኢዶም ሓፊኖም ማይ ዝሰተዩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፥ ብብርኮም ተምበርከኹ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ጌዴዎን ነቶም ስንቅን መለኸትን ዝወሰዱ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ወሲዱ፥ ነቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም። ሰፈር ምድያማውያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ።</verse>
				<verse number="10">ንበይንኻ ምውራድ እንተ ፈሪሕኻ ግና ምስ ፉራ ሓሽከርካ ዄንካ ናብቲ ሰፈር ውረድ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።</verse>
				<verse number="12">ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።</verse>
				<verse number="13">ጌዴዎን ምስ መፀ፥ እንሆ ሓደ ሰብ ንብፃዩ ኸምዙይ እናበለ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ፦ “ሕልሚ ሓሊመ፥ እንሆ ኸዓ፥ ሓንቲ ጠረሾ ስገም ናብ ሰፈር ምድያም እናንከራረወት መፂኣ ነቲ ድንኳን ወቕዐት፤ እቲ ድንኳን ድማ ንላዕሊ ኣቢሉ ተገልቢጡ ወደቐ።”</verse>
				<verse number="14">እቲ ብፃዩ ድማ “እዙይ ሰይፊ ናይቲ እስራኤላዊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ፤ ካልእ ኣይኮነን፤ ኣምላኽ ንምድያምን ንዅሉ ሰፈሮምን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ጌዴዎን፥ እዝ ሕልሚ እዙይን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ፥ ሰገደ። ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ “እግዚኣብሄር ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ ተስኡ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንኣይ ረአዩ፤ ኣነ ዝገብሮ ኸዓ ግበሩ። እንሆ፥ ከዓ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈሮም ምስ በፃሕኹ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኹ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸታትኩም ንፍሑ ‘ንእግዚኣብሄርን ንጌዴዎንንውን’ በሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="21">ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስፍራኦም ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ደው በሉ። ሽዑ ዅሎም እቶም ሰራዊት ምድያም እናእወዩ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ።</verse>
				<verse number="23">ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣኪቦም ንምድያማውያን ደድሕሪኣቶም ስዒቦም ኣሳጐጕዎም።</verse>
				<verse number="24">ጌዴዎን ድማ “ንምድያም ክትዋግእዎም ውረዱ፤ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ዀረብታታት ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="25">ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ሰብ ኤፍሬም ድማ “እቲ ምስ ምድያማውያን ክትዋጋእ ኽትከይድ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ዘይፀዋዕኻና? ንምንታይከ ኸምዙይ ገበርካና?” በልዎ። ኣበርቲዖምውን ተፃልእዎ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን?</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽውን ነቶም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ኣብ ኢድኩም እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበኩም፤ ኣነ ድኣ ምስ እዙይ ዝወዳደር እንታይ ሰሪሐ?” ሽዑ እዝ ዘረባዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ቍጥዓኦም ሃድአ።</verse>
				<verse number="4">ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባትን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ ተሳገርዎውን። ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ ንፀላእቶም የሳጕጉዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ንሰብ ሱኮት ከዓ “ኣነ ደድሕሪ ዛብሄልን ስልማናን፥ ነገስታት ምድያም፥ ስዒበ ኣሳጕጎም ኣለኹ፤ እዞም ዝስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፥ በይዛኻትኩም እንጀራ ሃብዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሹመኛታት ሱኮት ግና “ንሰራዊትካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ስልማናንዶ ሕዚ ኣብ ኢድካ እየን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ጌዴዎን ከዓ “እግዚኣብሄር ንዛብሄልን ንስልማናን ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክገርፈኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ካብኡ ጵኒኤል ናብ ዝበሃል ቦታ ደየቡ፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ጵኒኤል ድማ ኸምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="9">ንሱውን ንሰብ ጵኒኤል ከዓ፥ “ብሰላም ምስ ተመለስኩ፥ ነዝ ግንቢ እዙይ ከፍርሶ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ዛብሄልን ስልማናን፥ ምስ ሰራዊቶም ኣብ ቀርቀር ነበሩ፤ እቶም ካብ ኵሉ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝመፁ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተሪፎም ነበሩ። እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ጌዴዎን ድማ ብመንገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ሃዲኦም ናብ ዝነብሩ ሰራዊት ደዪቡ፥ ነቲ ኣብ ሰፈር ዘሎ ሰራዊት ኣዘንጊዑ ወቕዖ።</verse>
				<verse number="12">ዛብሄልን ስልማናን ከዓ ሃደሙ፤ ንሱ ግና ደድሕሪኣቶም ሰዓበ፤ ንኽልቲኦም ነገስታት ምድያም፥ ንዛብሄልን ስልማናን ድማ ማረኾም፥ ንዅሉ ሰራዊቶምውን ኣሸበሮ።</verse>
				<verse number="13">ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ካብ ውግእ፥ ብዓቐበት ሔረስ ኣቢሉ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ሰብ ሱኮት ንሓደ መንእሰይ ሒዙ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ ስም ናይ ሰብዓን ሸውዓተን ናይ ሱኮት ሹመኛታትን ዓበይቲ ሰባትን ፀሓፈሉ።</verse>
				<verse number="15">ናብ ሰብ ሱኮት መፂኡ ድማ “ነቶም ዝደኸሙ ሰብካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ኢድ ስልማናን ሕዚ ኣብ ኢድካ ድዩ? ኢልኩም ዘባጨኹምለይስ፥ ዛብሄልን ስልማናን እኒሀዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ ንሰብ ሱኮት ብእሾዅ በረኻን ዳንዴርን ገይሩ ገረፎም።</verse>
				<verse number="17">ንግንቢ ጵኒኤልውን ኣፍረሶ፤ ንሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="18">ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኸዓ “ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እኮ እዮም ነይሮም፤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ብህይወት እንተ እትሓድግዎም ኔርኩም ኣይምቐተልኩኹምን ነይረ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ዛብሄልን ስልማናን “ሓይሊ ሰብ ከም ሰብነቱ እዩ እሞ፥ ንስኻ ተሲእኻ ቕተለና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ ተሲኡ ንዛብሄልን ስልማናን ቀተሎም፤ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከዓ ወሰደ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ደቂ እስራኤል ንጌዴዎን፥ “ካብ ኢድ ምድያም ኣድሒንካና ኢኻ እሞ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="24">እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ንሳቶም ከዓ “ብፍቓድና ንህበካ” በልዎ። ነፀላ ድማ ዘርግሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ እቲ ዝማረኾ ቐለበታት ናብኡ ደርበየ።</verse>
				<verse number="26">ብዘይ እቲ ኣብ ነገስታት ምድያም ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፥ ብዘይ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፥ እቲ ዝለመኖ ቐለበታት ወርቂ ሚዛኑ ዳርጋ ዕስራ ኪሎ ግራም ኮነ።</verse>
				<verse number="27">ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ።</verse>
				<verse number="28">ምድያም ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፤ መሊሶምውን ርእሶም ኣየልዓሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘመን ጌዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።</verse>
				<verse number="29">ይሩበዓል ኢዮኣስ ከዓ ኸይዱ ኣብ ገዛኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፥ ካብ ሕቈኡ ዝተወለዱ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="31">እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ ድማ ወዲ ወለደትሉ፤ ስሙ ኸዓ ኣቢሜሌክ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="32">ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኢዮኣስ ከዓ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="33">ጌዴዎን ምስ ሞተ፥ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ስዒቦምውን ኣመንዘሩ። ንበዓልብሪት ከዓ ኣምላኾም ገበርዎ።</verse>
				<verse number="34">ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ዘድሓኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን።</verse>
				<verse number="35">ንቤት ይሩበዓል ንጌዴዎን ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ዝኾነ ሞሳ እኳ ኣይመለሱሉን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸይዱ፥ ንኣኣቶምን ንዅሎም እቶም ዓሌት ኣቦ እኖኡን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">“በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ኣኮታቱ ኸዓ ዅሉ እዝ ነገርዙይ ብዛዕባኡ ኣብ እዝኒ ዅሎም ሰብ ሴኬም ተናገሩ። ንሳቶምውን “ንሱ ሓውና እዩ” ኢሎም ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ከም ዝዝምብል ገበሩ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ቤት በዓል በሪትውን ሰብዓ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ዝስዕብዎ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ቈፀረሉ፤ ንሳቶምውን ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="5">ናብ ገዛ ኣቦኡ ናብ ኤፍራታ መፂኡ ነቶም ደቂ ጌዴዎን ሰብዓ ኣሕዋቱ፥ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሓረዶም። ኢዮኣታም እቲ ንእሽተይ ወዲ ጌዴዎን ግና፥ ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="6">ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="7">ንኢዮኣታም እዙይ ምስ ነገርዎ፥ ናብ ርእሲ እምባ ገሪዛን ከይዱ ደው በለ፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ሴኬም፥ እግዚኣብሄር ክሰምዐኩምስ ስምዑኒ።</verse>
				<verse number="8">ሓደ መዓልቲ፥ ኣእዋም ኣብ ልዕሊኣቶም ንጉስ ከንግሱ ኸዱ እሞ፥ ነውልዕ፥ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="9">“እቲ ኣውሊዕ ግና ‘ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነግስስ ነቲ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝኸብሩሉ ዘይተይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።</verse>
				<verse number="10">“ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፦ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="11">“እቲ በለስ ግና፥ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ክነግስ ኢለስ፥ ነቲ ጥዑምን ፅቡቕን ፍረይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።</verse>
				<verse number="12">“እቶም ኣእዋም ድማ ንወይኒ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="13">“እቲ ወይኒ ኸዓ ‘ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ክብልስ፥ እቲ ንእግዚኣብሄርን ንሰባትን ዘሕጕስ ወይነይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።</verse>
				<verse number="14">“ኣብ መወዳእታ ድማ ዅሎም ኣእዋም ንዓሻዅ ቈጥቋጥ፥ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="15">“እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ”</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣታም ከዓ ቐፂሉ “ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ንኣቢሜሌክ ዘንገስኩምዎ? ንይሩበዓልን ንቤተሰቡን ከም ግብሪ ኢዱ ዲኹም ዝፈደኹምዎ?</verse>
				<verse number="17">ኣቦይ ምእንታኻትኩም ተዋግአ፤ ካብ ኢድ ምድያማውያን ከድሕነኩምውን ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ንምሃብ ድልዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩም ግና ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይ ተልዓልኩም። ንብሰብዓኦም ደቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተልኩምዎም፤ ሓውኩም ስለ ዝኾነ ኸዓ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ኣገልጋሊት ኣቦይ ኣብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣር በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጌዴዎንን ንገዛኡን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም ንኣቢሜሌክ እንተ ደኣ ኣንጊስኩምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ተሓጐሱ፤ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="20">እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ኢዮኣታም ከዓ ንሓዉ ኣቢሜሌክ ስለ ዝፈርሐ ካብኡ ሃዲሙ ኸደ፤ ኣብ ብኤር ድማ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="22">ኣቢሜሌክ ኣብ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="23">ኣምላኽ ከዓ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ክፉእ መንፈስ ሰደደ እሞ ንኣቢሜሌክ ከድዕዎ።</verse>
				<verse number="24">እዙይ ዝኾነ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ ጌዴዎን ዝተገብረ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን ምእንቲ ኽፍደ፥ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ዝደገፍዎ ሰብ ሴኬምን፥ ምእንቲ ኽቕፅዑ እዩ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ እምባታት ሕቡእ ደጀን ኣንበሩሉ። ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ሰባት ይኸትሩ ነበሩ፤ ነዙይ ድማ ኣቢሜሌክ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="26">ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን ድማ መፂኦም ናብ ሴኬም ኣተዉ፤ ሰብ ሴኬም ከዓ ኣብ ገዓል እምነት ኣሕደሩ።</verse>
				<verse number="27">ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ።</verse>
				<verse number="28">ገዓል ወዲ ኣቤድ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሕና ሰብ ሴኬም እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዜቡል ዝበሃል ሹም ዝሕግዞ ወዲ ጌዴዎንዶ ኣይኮነን? ንስኻትኩምስ ንሰብ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ። ንሕና ንኣቢሜሌክ እንታይ ኢልና ንግዝኦ?</verse>
				<verse number="29">እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ንኣቢሜሌክ መሳጐጕክዎ ነይረ፤ በለ። ንኣቢሜሌክ ከዓ ‘ሰራዊትካ ኣብዚሕኻ ውፃእ’ በሎ።”</verse>
				<verse number="30">ሹም እታ ኸተማ ዜቡል፥ ዘረባ ገዓል ወዲ ኣቤድ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="31">ናብ ኣቢሜሌክ ከዓ ብምስጢር ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፦ “ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን እንሆ ናብ ሴኬም ኣትዮም ነዛ ኸተማ ኣብ ልዕሌኻ ኽትዕምፅ የለዓዕሉዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="32">ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተሲእኹም፥ ኣብ በረኻ ኣድብዩ።</verse>
				<verse number="33">ፅባሕ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ኣውድቑላ። እንሆ ኸዓ፥ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ መፁኻ ኢድካ ኸም ዝረኸበት ግበሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ድሕሪዙይ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብለይቲ ተሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኾይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ።</verse>
				<verse number="35">ገዓል ወዲ ኤቤድ ድማ ወፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፤ ኣቢሜሌክ ከዓ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበየሉ ተስአ።</verse>
				<verse number="36">ገዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ንዜቡል “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ጎቦታት ይወርዱ ኣለዉ” በሎ። ዜቡል ከዓ “ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዝረአየካ ዘሎ ፅላሎት እምባታት እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">ገዓል ድማ መሊሱ “እንሆ ኻብ ማእኸል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርዱ ኣለዉ፤ ሓደ ኽፍሊ ኸዓ ብመንገዲ እታ ዓባይ ኦም ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመፅእ ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ገዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወፀ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ።</verse>
				<verse number="40">ኣቢሜሌክ ግና ኣሳጐጎም እሞ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ።</verse>
				<verse number="41">ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፤ ዜቡል ከዓ ንገዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ኣሳጐጎም።</verse>
				<verse number="42">ንፅባሒቱ ኸዓ እቲ ህዝቢ ናብ ገራሁኡ ወፈረ፤ እዙይ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="43">ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="44">ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ጐይዮም ነቶም ኣብ ገራሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም።</verse>
				<verse number="45">ኣቢሜሌክ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኸተማ ብምልእታ ተዋግኣ፤ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸዓ ጨው ዘርአላ።</verse>
				<verse number="46">ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ቤት ኤልብሪት ኣተዉ።</verse>
				<verse number="47">ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተኣከቡ ኣቢሜሌክ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="48">ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ እምባ ሰልሞን ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ብኢዱ ማሕፀ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረፀ፤ ኣልዒሉ ኸዓ ኣብ ማእገሩ ገበሮ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ከምቲ ኣነ እንትገብሮ ዝረአኹምዎ ንስኻትኩምውን ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="49">ስለዙይ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘረፀ፤ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ኣብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፤ ነቲ ዕርዲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ሞቱ።</verse>
				<verse number="50">ኣቢሜሌክ ቀፂሉ ናብ ቴቤስ ከደ፤ ንኣኣ ኸዓ ኣኽቢቡ ሓዛ።</verse>
				<verse number="51">ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ድማ ፅኑዕ ግንቢ ነበረ፤ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ናብኡ ሃደሙ፤ ኣብ ውሽጡውን ተዓፀዉ፤ ናብ ናሕሲ እቲ ግንቢ ኸዓ ደየቡ።</verse>
				<verse number="52">ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግንቢ ቀሪቡ ተዋግአ፤ ብሓዊ ኸንድዶ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግንቢ በፅሐ።</verse>
				<verse number="53">ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ደርብያ ናላኡ ጨፍለቐቶ።</verse>
				<verse number="54">ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።</verse>
				<verse number="55">ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ነናብ ቤቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="56">ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ፥ ክንዲ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ገይሩ ናብኡ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="57">ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፥ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ኢዮኣታም ወዲ ጌዴዎን ከዓ ኣብ ረርእሶም በፅሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከዓ፥ ቶላ ወዲ ፎሖ፥ ወዲ ዱዲ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ንእስራኤል ከድሕን ተስአ። ንሱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኣብ ሳምር ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፤ ሞተውን፥ ኣብ ሳምር ከዓ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪኡ ድማ ገለዓዳዊ ኢያኢር ተስአ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="5">ኢያኢር ምስ ሞተ ኸዓ ኣብ ቃሞን ተቐበረ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም።</verse>
				<verse number="9">ከምኡውን ደቂ ኣሞን ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ክዋግኡ ናብ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፥ ደቂ እስራኤል የመና ጨነቖም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ደቂ እስራኤል “ንኣኻ ንኣምላኽና ሓዲግና ንኣማልኽቲ በዓሊም ኣምሊኽና ኢና እሞ፥ በዲልና ኢና” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ኣጨነቑኹም፥ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ኻብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኽኩም፤ ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ።</verse>
				<verse number="14">ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።”</verse>
				<verse number="15">ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ኻብ ማእኸሎም ኣወገዱ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመከራ እስራኤል ክፅመም ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ኣሞን ድማ ተፀዋዊዖም ክዋግኡ ኣብ ገለዓድ ሰፈሩ፤ ደቂ እስራኤልውን ተኣኪቦም ኣብ ምፅጳ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="18">ሹመኛታት ህዝቢ ገለዓድ ድማ ንስንሳቶም “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ውግእ ዝጅምር ሰብኣይ መን እዩ? ንሱ ነቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹኖም” ተበሃሃሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ገለዓዳዊ ዮፍታሔ፥ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ሓያል ጅግና ነበረ። ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ ወለደ።</verse>
				<verse number="2">ሰበይቲ ገለዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ንሳቶም ምስ ዓበዩ ኸዓ፥ ንዮፍታሔ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ” ኢሎም ሰጐጕዎ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ዮፍታሔ ኻብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ጦብ ድማ ተቐመጠ። ናብ ዮፍታሔ ኸዓ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ተኣከቡ፤ ሰዓብዎውን።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ከዓ፥ ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ክዋግኡ እንተለዉ፥ እቶም ዓበይቲ ደቂ ገለዓድ ንዮፍታሔ ኻብ ምድሪ ጦብ ከምፅእዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="6">“ምስ ደቂ ኣሞን ክንዋጋእ ኢና እሞ ነዓ ሓለቓና ኹን” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ዮፍታሔ ድማ ንዓበይቲ ገለዓድ፥ “ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ዝፀላእኹምንን፥ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምንን? ሕዚ ደኣ ምስ ጨነቐኩም ከመይ ኢልኩም ናባይ ትመፁ?” በሎም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ንዮፍታሔ “እወ፥ ግና ምሳና ኼድካ ንደቂ ኣሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ገለዓድ ሓለቓና ኽትከውን ስለ ዝደለና ኢና ሕዚ ናባኻ ዝተመለስና” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ዮፍታሔ ኸዓ ንዓበይቲ ገለዓድ “ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብ ዓደይ እንተ መሊስኩምኒ፥ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ፥ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ?” በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ “እወ፥ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ፤ ከም ቃልካ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ዮፍታሔ ምስቶም ዓበይቲ ገለዓድ ከደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ሓለቓን መራሕን ገበርዎ። ዮፍታሔ ድማ ዅሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ምፅጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ።</verse>
				<verse number="12">ዮፍታሔ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን፥ “ናባና መፂእኻ ንሃገርና እትዋግኣስ፥ ምሳና እንታይ ኣለካ?” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ድማ ንልኡኻት ዮፍታሔ፦ “እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተሎ፥ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፥ ሕዚ ምድረይ ብሰላም ምለሱለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ዮፍታሔ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን መሊሱ ልኡኻት ሰዲዱ፥</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ በሎ፦ “ዮፍታሔ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ኣሞንን ኣይወሰደን።</verse>
				<verse number="16">እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፀ ብምድረ በዳ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፤ ናብ ቃዴስ ድማ መፀ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="18">“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን።</verse>
				<verse number="19">“ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ናብ ንጉስ ሓሴቦን፥ ልኡኻት ሰዲዶም፥ ‘በይዛኻ ኽሳዕ እታ ቦታና እንበፅሕ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሴዎን ግና ንደቂ እስራኤል ስለ ዘይኣመኖም ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይደለየን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኸዓ ኣብ ያሃፅ ሰፈረ፤ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።</verse>
				<verse number="21">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ንሴዎንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፤ ሽዑ ደቂ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፥ ብምልእታ ወረስዋ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ካብ ምድረ በዳ ኸዓ ኽሳዕ ዮርዳኖስ፥ ኵሉ ወሰን ኣሞራውያን ወረሱ።</verse>
				<verse number="23">“ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጉዎም እዩ። ንስኻ ደኣ እንታዋይ ኢኻ ኽተሕድገና እትደሊ?</verse>
				<verse number="24">ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና።</verse>
				<verse number="25">ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ?</verse>
				<verse number="26">ደቂ እስራኤል ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጦምወን እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ በቲ ዘመን እቱይ ዘይወሰድኩምዎም?</verse>
				<verse number="27">ኣነስ ኣይበደልኩኻን፥ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእኻ ኽፉእ ትገብረኒ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ኣሞንን ሎሚ ይፍረድ።”</verse>
				<verse number="28">እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ግና ነቲ ዮፍታሔ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="30">ዮፍታሔ ድማ ንእግዚኣብሄር፦ “ንደቂ ኣሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፥ ካብ ደቂ ኣሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ፥ እቲ ኽቕበለኒ ኢሉ ኻብ ገዛይ ዝወፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ገይረ ኸቕርቦ እየ” ኢሉ ተመባፅዐ።</verse>
				<verse number="31"></verse>
				<verse number="32">ሽዑ ዮፍታሔ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብኣቶም ገስገሰ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ።</verse>
				<verse number="33">ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት ዕስራ ኸተማታት ደምሰሰ፤ ክሳዕ ኣቤል ከራሚም ድማ ብብርቱዕ ውግእ ሰዓሮም። ደቂ ኣሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ።</verse>
				<verse number="34">ዮፍታሔ ድማ ናብ ምፅጳ ናብ ገዛኡ ምስ መፀ፥ ጓሉ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ክትቅበሎ ወፀት። ሓንቲ ንሳ ጥራሕ እያ ውላዱ፥ ብዘይ ንሳ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።</verse>
				<verse number="35">ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ።</verse>
				<verse number="36">ንሳ ድማ “ኣቦይ፥ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ኣሞን ፀላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓ ኻብ ገበርካስ፥ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወፀ መብፅዓ ፈፅም።</verse>
				<verse number="37">ግና ኻብዙይ ከይደ ናብ እምባታት እናዞርኩ ምስተን ብፆተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኪ ፍቐደለይ” በለቶ።</verse>
				<verse number="38">ንሱ ኸዓ ንኽልተ ወርሒ ኽትከይድ ፈቐደላ። ሽዑ ንሳ ምስ ብፆታ ኸይዳ ኣብ እምባታት ኮይና ንድንግልናኣ በኸየት።</verse>
				<verse number="39">እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፥ ናብ ኣቦኣ ተመለሰት፤ ከምቲ ተመባፂዕዎ ዝነበረ መብፅዓኡ ድማ ፈፀመ። ንሳ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት።</verse>
				<verse number="40">በዝ ምኽንያትዙይ እዩ ድማ ኻብቲ ጊዜ እቱይ ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ልማድ ኮይኑ፥ ኣጓላት እስራኤል ንጓል ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ብምዝካር በብዓመቱ እናወፃ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዘን ዝገብራላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሰብ ኤፍሬም ድማ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ፃፎን መፁ። ንዮፍታሔ ኸዓ “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ እንተለኻስ፥ ምሳኻ ኽንከይድ ንኣና ዘይፀዋዕኻና ስለ ምንታይ ኢኻ? ንገዛኻ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነንድዳ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="2">ዮፍታሔ ድማ “ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ኣሞን ኣብ ብርቱዕ ፀብኢ እንተለና፥ ምስ ፀዋዕኩኹም፥ ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን።</verse>
				<verse number="3">ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ፈለጥኩ ድማ ንህይወተይ እንተየናሕሰኹ ናብ ደቂ ኣሞን ሓለፍኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ። ስለ ምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መፃእኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ዮፍታሔ ድማ ንዅሎም ሰብ ገለዓድ ኣኽቲቱ ምስ ሰብ ኤፍሬም ተዋግአ። ደቂ ኤፍሬም ከዓ፥ “ኣቱም ሰብ ገለዓድ ካብ ኤፍሬምን ካብ ምናሴን ዝኸዳዕኹም ኢኹም” ይብልዎም ነበሩ እሞ፥ እቶም ሰብ ገለዓድ ንሰብ ኤፍሬም ተዋግእዎም።</verse>
				<verse number="5">ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም “እስኪ ‘ሺቦለት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኸምኡ ኣፅርዩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል “ሲቦለት” በለ፤ ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሰብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ተቐተሉ።</verse>
				<verse number="7">ዮፍታሔ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕሪዙይ እቲ ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ሞተ፤ ካብ ከተማታት ገለዓድ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ድማ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም።</verse>
				<verse number="10">ኢብፃን ሞተ፤ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="11">ብድሕሪኡ ኸዓ ኤሎን ዛብሎናዊ ዓሰርተ ዓመት ንደቂ እስራኤል ፈረደ።</verse>
				<verse number="12">ኤሎንውን ሞተ፤ ኣብ ኤሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶን፥ ንእስራኤል መርሖም።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ።</verse>
				<verse number="15">ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶንውን ሞተ፤ ኣብ ጲርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፥ ኣብ ኰረብታታት ኣማሌቃውያን ድማ ተቐበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="2">ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት።</verse>
				<verse number="3">መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተገሊፁ ኸምዙይ በላ፦ “እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፤ ግና ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ።</verse>
				<verse number="4">እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ።</verse>
				<verse number="5">ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።”</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን።</verse>
				<verse number="7">ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="8">ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ቓል ማኑሄ ሰምዐ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="10">እታ ሰበይቲ ድማ ብጕያ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “እቲ ሓደ መዓልቲ መፂኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፥ እንሆ ተገሊፁለይ” ኢላ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="11">ማኑሄ ኸዓ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ኸደ፤ ናብቲ ሰብኣይ መፂኡ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ፥ “እወ፥ ኣነ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="13">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ፥ ካብቲ ዅሉ ዝነገርክዋ ትጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ማሕስእ ኣዳሊና ኽሳዕ እንቕርበልካ በይዛኻ ፅናሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እንተ ፀናሕኹውን ምግብኻ ኣይበልዕን እየ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርበሉ” በሎ። ማኑሄ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ስመይ እትጥይቐኒ? ስመይ ‘መስተንክር’ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ማኑሄ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ሽዑ ማኑሄን ሰበይቱን እናረአዩ እቲ መልኣኽ ተኣምራት ገበረ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ውሽጢ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="21">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄን ንሰበይቱን ድሕሪኡ ኣይተርኣዮምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="22">ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ።</verse>
				<verse number="23">እታ ሰበይቱ ግና “እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉውን ኣይመርአየናን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ድማ በዝ ጊዜ እዙይ ኣይመስምዐናን” በለቶ።</verse>
				<verse number="24">እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ።</verse>
				<verse number="2">ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም።</verse>
				<verse number="3">ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ።</verse>
				<verse number="6">መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን።</verse>
				<verse number="7">ወሪዱ ድማ ነታ ጓል ተዛረባ፤ የመናውን ባህ በለቶ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመለሰ፤ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ኣብቲ ገምቢ ኣንበሳ፥ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።</verse>
				<verse number="9">በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።</verse>
				<verse number="10">ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክሪኣ ወረደ፤ እቶም መናእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩሞ፥ ሶምሶን ኣብኡ ድግስ ደገሰ።</verse>
				<verse number="11">ምስ ረአይዎ ድማ፥ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕርኽቲ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="12">ሶምሶን ከዓ ንኣኣቶም “ኣነ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረኩም እየ እሞ፥ ንእኡ በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ናይዝ ድግስ ትርጕሙ ገሊፅኩም እንተ ነጊርኩምኒ፥ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክህበኩም እየ።</verse>
				<verse number="13">ክትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፥ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ክንሰምዖስ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይካ ንገረና” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንሱ “ካብቲ በላዒ መብልዕ፥ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወፀ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሰለስተ መዓልቲ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="15">ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንሰበይቲ ሶምሶን “ንሰብኣይኪ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረና ሓባብልዮ፤ እንተ ዘይኮነ ንኣኽን ንስድራ ኣቦኽን ብሓዊ ኽነቃፅለኩም ኢና፤ ክትገፉና ዲኹም ዝፀዋዕኹምና?” በልዋ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ሰበይቲ ሶምሶን “ትፀልአኒ ኢኻ፤ ንህዝበይ ዝነገርካዮም ሕንቅሕንቅሊተይ፥ ንኣይ ትርጕሙ ኣይገለፅካለይን ኢኻ እሞ፥ ኣይትፈትወንን ኢኻ” እናበለት ኣብ ቅድሚኡ ትበኪ ነበረት። ንሱ ድማ ንኣኣ “እንሆ፥ ነቦይን ንኖይን እኳ ዘይገለፅኩሎምስ፥ ንኣኺዶ ኽገልፀልኪ እየ?” በላ።</verse>
				<verse number="17">ንሳ ኸዓ በተን ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ቅድሚኡ ኾይና በኸየት። ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ትርጕሙ ገለፀላ፤ ንሳ ድማ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንደቂ ዓዳ ገለፀትሎም።</verse>
				<verse number="18">እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ “ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ። ሶምሶን ድማ፦ “ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥ ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም።</verse>
				<verse number="19">መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="20">እታ ሰበይቲ ሶምሶን ከዓ ነቲ ኻብቶም ዝተሓባበሩ ኣዕርኽቱ ንሓዲኦም ኮነት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ዓፂድ ስርናይ ምስ ኮነ፥ ሶምሶን ማሕስእ ሒዙ ንሰበይቱ ኽጥይቓ ኸደ፥ “ናብ ሰበይተይ ናብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” ድማ በለ፤ ኣቦኣ ግና ኽኣቱ ኣይፈቐደሉን።</verse>
				<verse number="2">ኣቦኣ ኸዓ “ፈፂምካ ዝፀላእኻያ መሲሉንስ ንዓርክኻ ኣመርዕየያ እየ፤ ሕዚ ግና ኽንዲ ኽንዳኣ ነታ ኻብኣ እትፅብቕ ንእሽተይ ሓፍታ ኣእትዋ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ሶምሶን ከዓ “ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ፈደኽዎም፥ በደል የብለይን” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ሶምሶን ድማ ኸይዱ ሰለስተ ሚእቲ ውኻርያ ሓዘ፤ ከክልተ ውኻርያ ገይሩ ኸዓ ጭራ ምስ ጭራ ኣታሓሒዙ ኣሰረን፤ ኣብ ማእኸለን ኣብ መንጎ ጭራአን ድማ ሓደ ሽግ ገበረለን።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ሽጋት ብሓዊ ኣቃፂሉ ኸዓ ናብ ማእኸል ዝሩእ ፍልስጥኤማውያን ሰደደን፤ ኵልሳሳትን ዘይዕፁድ እኽልን ኣትክልቲ ወይንን ኣውሊዕን ከዓ ነደደ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። “እቲ ቲምናታዊ ሰብኣይ፥ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፥ ሶምሶን ሰብኣይ ጓሉ እዩ” ኢሎም መለሱሎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፥ ንኣኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣቃፀልዎም።</verse>
				<verse number="7">ሶምሶን ከዓ “እምበኣር እዙይ ካብ ገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ገና ኣፀቢቐ ሕነ እንተይፈደኹ ኣይሓድገኩምን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ብጭከና ወቒዑ ኸዓ ወድኦም፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፤ ንሌሒ ኸዓ ወረርዋ።</verse>
				<verse number="10">ሰብ ይሁዳ ድማ “ስለ ምንታይ ክትዋግኡና ናባና ደየብኩም?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ናብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ወረዱ፤ ንሶምሶን ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? እዝ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኸምቲ ዝገበሩኒ እየ ዝገበርክዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ከዓ “ኣሲርና ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ክነሕልፈካ ኢና ዝወረድና” በልዎ። ሶምሶን ድማ “እምበኣር ንስኻትኩም ከም ዘይትቐትሉኒ መሓሉለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ከዓ “ኣይፋልናን፥ ኣፅኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ክነሕልፈካ ኢና እምበር፥ ምቕታልስ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ኻብቲ ኰዅሒ ኣውፅእዎ።</verse>
				<verse number="14">ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ።</verse>
				<verse number="15">ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ።</verse>
				<verse number="16">ሶምሶን ከዓ “ብምንጋጋ ኣድጊ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ዀመርኩ፤ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰባት ቀተልኩ” በለ።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ምስ በለ፥ ነቲ ምንጋጋ ኣድጊ ደርበዮ፥ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="18">ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ ኢሉ ሰመያ፤ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ።</verse>
				<verse number="20">ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ሶምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፤ ኣብኣ ኸዓ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ንሰብ ጋዛ ኸዓ “ሶምሶን ኣብዙይ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ኸበብዎ፥ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ምሉእ ለይቲ ኣድብዮም ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ ምሉእ ለይቲ ሓለውዎ።</verse>
				<verse number="3">ሶምሶን ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ተሲኡ ነቲ መዓፁ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ፈነቓቒሉ፥ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ኣደየቦ፤ ኣብኡውን ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።</verse>
				<verse number="6">ደሊላ ድማ ንሶምሶን፦ “እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፥ ብምንታይ እንተ ኣሰሩኻኸ ትደክም? በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="7">ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፤ ከም ማንም ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን ኣምፅኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ውሻጠኣ ሕቡኣት ሰባት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ፥ ሓዊ ዝነኽኦ ፈትሊ ኸም ዝብተኽ፥ ብትኽትኽ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈለጠን።</verse>
				<verse number="10">ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “እንሆ፥ ኣላጊፅካለይ፥ ነቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ሕዚ እውን ብምንታይ ከም እትእሰር፥ በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ድማ “ዝኾነ ስራሕ ብዘይ ተሰርሐሉ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ እደክም፥ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።</verse>
				<verse number="12">ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሶምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። እቶም ሕቡኣት ሰባት ከዓ ኣብቲ ውሻጠ ነበሩ። ንሱ ግና ኻብ ቀላፅሙ ኸም ፈትሊ በተኾ።</verse>
				<verse number="13">ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “ክሳዕ ሕዚ ኣላጊፅካለይ፤ እቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ብምንታይ ከም እትእሰር እንዶ ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ፀጕሪ ርእሰይ፥ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፥ ኣብ ሽኻል ማእለማ ኸዓ እንተ ኣሰርክዮ፥ ከም ኵሉ ሰበይ ድኹም እኸውን” በላ።</verse>
				<verse number="14">ሶምሶን ምስ ደቀሰ፥ ደሊላ ነቲ ዝተቘነነ ፀጉሪ ርእሱ ምስቲ ቕጥኒ ጐንጐነቶ፤ ኣብ ሽኻል ኣሲራ ድማ፥ “ሶምሶን! እንሆ ፍልስጥኤማውያን መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል ማእለማ ነቓቐሎ፤ ነቲ ቕጥኒ ድማ በታተኾ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ኸዓ ሶምሶን “ልብኻ ምሳይ ዘየለስ ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘እፈትወኪ እየ’ እትብለኒ ዘለኻ? ሰለስተ ሻዕ ኣታሊልካኒ፤ እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን” በለቶ።</verse>
				<verse number="16">ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ።</verse>
				<verse number="18">ደሊላ ድማ ዅሉ ናይ ልቡ ኸም ዝገለፀላ ምስ ፈለጠት ነቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ፥ “ኵሉ ናይ ልቡ ገሊፁለይ እዩ እሞ ሕዚ ንዑ” ኢላ ፀውዐቶም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ መፁ።</verse>
				<verse number="19">ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ።</verse>
				<verse number="20">“ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ግና ምስተላፀየ ፀጕሪ ርእሱ ኸም ብሓድሽ ክበቍል ጀመረ።</verse>
				<verse number="23">እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ።</verse>
				<verse number="25">ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ።</verse>
				<verse number="26">ሶምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ቘልዓ “ነቲ ኣዳራሽ ፆይሮም ዘለዉ ኣዕምዲ ሒዘ ኽፅግዖምስ በይዛኻ ናብኣቶም ኣፀግዐኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">ሶምሶን ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ኦ ጐይታ! በይዛኻ ዘክረኒ፤ ኣታ ኣምላኸይ፥ ንፍልስጥኤማውያን ሕዚ ሕነ እዘን ክልቲአን ኣዒንተይ ክፈድዮምስ፥ በይዛኻ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ሶምሶን ነቶም ነቲ ገዛ ዝፆሩ ኽልተ ናይ ማእኸል ኣዕምዲ፥ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሓዞ።</verse>
				<verse number="30">ሶምሶን ድማ፦ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሕለፍ” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕምዲ ደፍኦ፤ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐ። ካብቶም ብህይወቱ እንተሎ ዝቐተሎም እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ኣሕዋቱን ኵሎም ስድራ ኣቦኡን ወሪዶም ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን ቀበርዎ። ሶምሶን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንኖኡ ድማ “ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ምስ ተወስደኪ፥ ነቲ ዝወሰደልኪ ሰብ ኣነ ብእዝነይ እናሰማዕኹኺ ረጊምክዮ፤ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፤ ኣነ እየ ዝወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በለቶ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ወዳ ነቲ ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ንኖኡ መለሰላ። እኖኡ ኸዓ “እዝ ብሩር እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ ኣለኹ፤ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስሊ መግበሪ ክኸውን እዩ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ እመልሰልካ ኣለኹ” በለቶ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኸዓ እቲ ብሩር ንኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። እቲ ኣንጠረኛ ኸዓ ነቲ ብሩር ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ። እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ቤት ሚካ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ።</verse>
				<verse number="6">በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሰብኣይ ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ወፀ። ንቕድሚኡ ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መፀ።</verse>
				<verse number="9">ሚካ ድማ “ካበይ ዝመፃእኻ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእኹ ሌዋዊ እየ። ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ እኸይድ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሚካ ኸዓ፥ “ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፤ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ቕርሺ ብሩርን ዝግባእ ኽዳውንትን ቀለብን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ኣተወ፤</verse>
				<verse number="11">ምስቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ድማ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከዓ ኸም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ።</verse>
				<verse number="12">ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ ንሱ ኻህኑ ኾነ፤ ኣብ ገዛኡ ኸዓ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="13">ሚካ ድማ፥ “ሌዋዊ ካህን ስለ ዘለኒ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝገብረለይ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን። ነገድ ዳን ድማ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብፅሒት ርስቲ ኣይነበሮምንሞ፥ በቲ ዘመን እቱይ ዝነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉን ክምርምሩን፥ ካብ ዓሌቶም፥ ሓሙሽተ ሓያላት ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን፥ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ሰልዩዋ” ኢሎም ሰደድዎም። ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብኡ እንተለዉ ነቲ መንእሰይ ሌዋዊ ብኣዘራርባኡ ፈለጥዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፥ “ናብዙይ መን ኣምፅአካ? ኣብዙይከ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኣብዙይከ እንታይ ኣለካ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ድማ ሚካ ኸምዙይን ከምዙይን ገበረለይ። “ቈፀረኒውን፤ ኣነ ኸዓ ኻህን ኮንኩሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ድማ “እዛ እንኸዳ ዘለና መንገዲ እትቐንዐና እንተ ኾይና ኽንፈልጥስ፥ በይዛኻ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻህን ድማ “እዛ እትኸድዋ ዘለኹም መንገዲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያሞ ብሰላም ኪዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከዱ፤ ናብ ሌሳ ድማ ኣተዉ፤ እቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ተኣማሚኑ ኸም ሲዶናውያን ብህድኣትን ብሰላምን ከም ዝቕመጥ ረአዩ። ዘሸግሮምን ዝገዝኦምን ኣይነበረን። ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሒቖም፥ ካብ ኵሉ ሰብ ተፈልዮም ንበይናቶም ይነብሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ናብ ፆርዓን ኤሽታዖልን፥ ናብ ኣሕዋቶም ምስ መፁ እቶም ኣሕዋቶም እንታይ ወረ ሒዝኩም ኣለኹም በልዎም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ።</verse>
				<verse number="10">ኣብኣ ምስ በፃሕኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድኩም ዝሃበኩም፥ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝብን የመና ገፋሕ ምድርን ክትረኽቡ ኢኹም። ንሳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ዝጐድላ ዘይብላ ምድሪ እያ” በልዎም።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኡት ኣፅዋር ውግእ ተዓጢቖም ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን ተልዓሉ።</verse>
				<verse number="12">ደዪቦም ከዓ ኣብ ቅርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ እታ ብምዕራብ ቅርያት የዓሪም ዘላ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትብሃል ኣላ።</verse>
				<verse number="13">ካብኣ ንዀረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም፥ ናብ ቤት ሚካ ኸዱ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቶም ንሃገር ሌሳን ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ነቶም ኣሕዋቶም፥ “ኤፉድን ተራፊምን፥ ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ገዛውቲ እዚኣተን ከም ዘሎዶ፥ ትፈልጡ? ሕዚ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ” ኢሎም ተዛረብዎም።</verse>
				<verse number="15">ናብቲ ኣብ እንዳ ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ደቂ ዳን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኻህን ምስቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቶም ነታ ሃገር ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፥ ናብታ ቤት ኣማልኽቲ ደዪቦም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="18">እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፥ እቲ ኻህን “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ከዓ “ስቕ በል፤ ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር። የግዳስ ንዓናይ ምሳና ኺድ፤ ኣቦን ካህንን ድማ ኹነና። ናይ ሓደ ቤተ ሰብ ካህን ካብ ምዃን፥ ናይ ሓደ ነገድ እስራኤል ካህን ምዃንዶ ኣይሕሽን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ እቲ ኻህን ብልቡ ተሓጐሰ፤ ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ሓዘ፤ ብማእኸል እቲ ህዝቢ እውን ከደ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ ዘይሮም ከዱ፤ ደቆምን እንስሳኣቶምን ኵሉ ዘለዎም ሃብትን ቀቅድሚኣቶም ገበሩ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሓቑ ኸዓ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተኣኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም።</verse>
				<verse number="23">ንደቂ ዳን ድማ ፀውዕዎም። ደቂ ዳን ከዓ ገፆም መሊሶም ንሚካ “ብኣውያት ሰብካ እትእክብ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="25">እቶም ደቂ ዳን ከዓ “ደሞም ዝፈልሖም ሰባት ከይዋግኡኻ እሞ፥ ንነፍስኻን ነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእስ ድምፅኻ ኣብ ማእኸል ኣይተስምዕ” በልዎ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ደቂ ዳን ድማ መንገዶም ከዱ። ሚካ ኸዓ ኻብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረአየ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="27">ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ምስልታትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኻህንን ሒዞም ናብቲ ሃዲኡን ተኣማሚኑን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፥ ናብ ሌሳ ኸዱ። ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተልዎም፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ብሓዊ ኣባርዕዋ።</verse>
				<verse number="28">ህዝቢ ሌሳ ኻብ ሲዶና ርሑቓት ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ርክብ ስለ ዘይነበሮም ዘድሕኖም ኣይነበረን። ሌሳ ከዓ ኣብቲ ኣብ ቤትሮዖብ ዘሎ ለሰ ዝተሰርሐት ከተማ ነበረት። ደቂ ዳን ከዓ ነታ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ሰሪሖም ተቐመጥዋ።</verse>
				<verse number="29">ብስም እቲ ንያእቆብ ዝተወልደሉ ኣቦኣቶም ዳን፥ ስም እታ ኸተማ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ሌሳ ይበሃል ነበረ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="31">እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም የመና ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ዝቕመጥ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ኣእተወ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና ኣብ ልዕሊኡ ኣመንዘረት፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ እንዳቦኣ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸደት፤ ኣብኡውን ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሰብኣያ ምስኣ ዕርቂ ደልዩ ናብ ገዛኡ ኽመልሳ ናብኣ ክኸይድ ተልዓለ። ኣሰራ ተኸቲሉውን ከደ። ሓሽከሩን ክልተ ኣእዱግን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ንሳውን ናብ ገዛ ኣቦኣ ኣእተወቶ፤ ኣቦ እታ ሰበይቲ ምስ ረአዮውን ተሓጒሱ ተቐበሎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ ግዲ ስለ ዝበሎ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። ይበልዑን ይሰትዩን፥ ኣብኡውን ይሓድሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ብራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተስኡ፤ እቲ ሌዋዊ ድማ ክኸይድ ተልዓለ። ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይ ጓሉ፥ “ቍራስ እንጀራ በሊዕኻ ሰውነትካ ኣበርቲዕኻ፥ ብድሕሪኡ ትኸይድ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ክልቲኦም ድማ ኮፍ ኢሎም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ ንሎሚ ለይቲ ተሓጒስካ ሕደር” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ሰብኣይ ግና ክኸይድ ተስአ፤ እቲ ሓሙኡ ግዲ ምስ በሎ ኸዓ፥ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።</verse>
				<verse number="8">ብሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ክኸይድ ኣንጊሁ ተስአ። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ “በይዛኻ ሰብነትካ ኣበርትዕ፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝደግስ ፅናሕ” በሎ፤ ክልቲኦም ድማ በልዑ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሰብኣይ ምስታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ሓሽከሩን ክኸይድ ምስ ተልዓለ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ “እንሆ፥ እቲ መዓልቲ ኽዓርብ ቀሪቡ እዩሞ ሕደር፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ፅባሕ ድማ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣንጊህኹም መንገድኹም ትጅምሩ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሰብኣይ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኽሓድር ስለ ዘይደለየ ተሲኡ ኸደ፤ ኢየሩሳሌም ናብ ዝተብሃለት ኣብ መንፅር ኢያቡስ ከዓ በፅሐ። እተን ክልተ ፅዑናት ኣእዱግን እታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ድማ ምስኡ ነበራ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኢያቡስ ምስ በፅሑ፥ ምድሪ መስያ ነበረት እሞ፥ እቲ ሓሽከር ንጐይታኡ “በይዛኻ ነዓ፥ ናብዛ ኸተማ ኢያቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ጐይታኡ ኸዓ “ከተማ ደቂ እስራኤል ናብ ዘይኮነት ኣይንኣቱን ኢና። ናብ ገባዖን ደኣ ንሕለፍ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነዓናይ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኣተን ንቕረብ እሞ ኣብ ገባዖን ወይ ኣብ ራማት ንሕደር” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሓሊፎም ድማ ኸዱ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ እንተለዉ ፀሓይ ዓረበቶም።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ገባዖን ኣትዮም ክሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ፤ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፤ ኣብ ገዛኡ ኸሕድሮም ዝተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="16">እንሆ ድማ፥ ኣብ ማሕረስ ዝወዓለ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣጋ ምሸት መፀ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ ኻብ ኰረብታታት ኤፍሬም መፂኡ፥ ወሰንተኛ ኾይኑ፥ ኣብ ገባዖን ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ድማ “ንሕና ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእና ኢና፤ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ማዕዶ እንሓልፍ ኢና፤ ንሕና ካብኡ ኢና፤ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸዓ ኬድና ኔርና፤ ሕዚ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኸይድ ኣለና፤ ኣብ ገዛኡ ዘሕድረና ሰብ ግና ስኢንና።</verse>
				<verse number="19">ነእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ጥረን፥ ንኣይን ነዛ ኣገልጋሊትካን ነዝ ምሳና ዘሎ ኣገልጋልን ዝኸውን እንጀራን ወይንን ኣለና፤ ዝጐድለና ነገርውን የለን” በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ “ሰላም ምሳኻ ይኹን፤ ግዳስ ኣብዝ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፥ ኵሉ እትደልዮ ኽህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ናብ ገዛኡ ኣእትዩ ኸዓ፥ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፤ ኣእጋሮም ተሓፂቦም ከዓ በልዑን ሰተዩን።</verse>
				<verse number="22">እቶም ኣጋይሽ ከምዙይ ኢሎም ክሕጐሱ እንተለዉ፥ እንሆ ብዕሉጋት ሰባት እታ ኸተማ፥ ነታ ገዛ ኸበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ እናወቕዑ ኸዓ ነቲ በዓል ገዛ ሽማግለ ሰብኣይ፥ “ነዝ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፥ ኣውፅኣዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="23">እቲ በዓል ገዛ ሰብኣይ፥ ናብኣቶም ወፂኡ “ኣሕዋተይ! ኣይፋልኩምን፥ በይዛኻትኩም ክፉእ ኣይትግበሩ፤ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ገዛይ ካብ ኣተወስ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="24">እንሆ፥ ድንግል ጓለይን ናይ ወሰን ሰበይቱን፥ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፤ ከም ዝደለኹም ግበሩወን፤ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ኸምዙይ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">እቶም ሰባት ግና ኽሰምዕዎ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ ናብኣቶም ናብ ደገ ኣውፅኣ። ንሳቶም ከዓ፥ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣሕሰርዋ። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ኽትከይድ ሰደድዋ።</verse>
				<verse number="26">ክወግሕ ምስ ጀመረ፥ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጐይታኣ ዘለዎ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ሰብኣይ መፂኣ፥ ክሳዕ ፀሓይ እትበርቕ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሰብኣያ ጊሓት ተሲኡ ማዕፆ እታ ቤት ከፈተ፤ መንገዱ ክኸይድውን ወፀ፤ እንሆ፥ እታ ናይ ወሰን ሰበይቱ፥ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፥ ኣእዳዋ ኸዓ ኣብቲ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት።</verse>
				<verse number="28">ንሱ ድማ “ተስኢ ንኺድ” በላ፤ ንሳ ግና ሞይታ ስለ ዝነበረት ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ፅዒንዋ፥ ተልዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="29">ኣብ ገዛኡ ምስ ኣተወ፥ ካራ ወሲዱ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ በቲ መፈላለዪ ኣዕፅምታ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቘራሪፁ፥ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ።</verse>
				<verse number="30">ኵሉ ነዙይ ዝረኣየ ኸዓ “ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዙይ ዝመሰለ ኾይኑን ተርእዩን ኣይፈልጥን። ስለዙይ ሕሰቡሉን ምኸሩሉን፤ ተነጋገሩሉን” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="2">ኣሕሉቕ ኵሉ ህዝብን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ሰይፊ ዝተዓጠቑ ዅሎም ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ኣብቲ ጉባኤ ህዝቢ እግዚኣብሄር ቆሙ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ብንያም ድማ፥ ደቂ እስራኤል ንምፅጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ከዓ “እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝኾነ ንገሩና” በልዎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቲ ሌዋዊ፥ ሰብኣይ እታ ዝተቐተለት ሰበይቲ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነን እታ ናይ ወሰን ሰበይተይን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ክንሓድር መፃእና።</verse>
				<verse number="5">እቶም ሰብ ገባዖን ድማ ተልዓሉኒ፤ ኣብታ ዘአተኹዋ ገዛ ብለይቲ ኸበቡኒ፤ ክቐትሉኒ ኸዓ ሓሰቡ፤ ነታ ናይ ወሰን ሰበይተይ ዓመፅዋሞ ሞተት።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኸዓ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ሓጢኣትን ነውርን ስለ ዝገበሩ፥ ነቲ ሬሳኣ ወሲደ ቘራረፅክዎ እሞ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደድክዎ።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ኣብዙይ ዘለኹም ደቂ እስራኤል ምኽርኹምን ውሳነኹምን ሃቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ እቲ ህዝቢ ብሓደ ኾይኑ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፤ ሓደ እኳ ናብ ገዛኡ ኣይመለስ።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ግና ንገባዖን ከምዙይ ክንገብራ ኢና፦ ዕፃ ኣውዲቕና ኣብ ልዕሊኣ ንደይብ።</verse>
				<verse number="10">ስንቂ ዝወስዱ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፥ ካብ ሚእቲ ዓሰርተ፥ ካብ ሽሕ ከዓ ሚእቲ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። እቶም ዝዋግኡ ኸዓ ነታ ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ገባዖን፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት ዝግብኣ ኽፈድይዋ እዮም” በለ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="12">ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ኵሉ ነገድ ብንያም፦ “እዝ ኣባኻትኩም ዝተፈፀመ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኸዓ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ክነርሕቖስ፥ ነቶም ኣብ ገባዖን ዘለዉ ርኹሳት ሰባት ክንቀትሎም ሃቡና” ኢሎም ሰባት ለኣኹ። እቶም ደቂ ብንያም ግና ቓል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ክሰምዑ ኣይደለዩን።</verse>
				<verse number="14">ከካብ ከተማታቶም ናብ ገባዖን ተኣከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ወፁ።</verse>
				<verse number="15">በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወፁ ደቂ ብንያም፥ ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሸውዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰባት፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ብፀጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ፀጕሪኳ ዘይስሕቱ ሸውዓተ ሚእቲ ምሩፃት ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ እስራኤል ድማ፥ ብዘይ ነገድ ብንያም፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ደቂ እስራኤል ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንፅር ገባዖን ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="20">ሰብ እስራኤል ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን ድማ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ብንያም ከዓ ኻብ ገባዖን ወፂኦም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም።</verse>
				<verse number="22">ደቂ እስራኤል ድማ ንስንሳቶም ተጠናኺሮም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="23">ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ደቂ እስራኤል ድማ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ቐረቡ።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ብንያም ከዓ ኻልአይቲ መዓልቲ ኽዋግእዎም ካብ ገባዖን ደየቡሞ፥ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="27">ንእግዚኣብሄር ከዓ ጠየቕዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ደቂ እስራኤል ከዓ ንገባዖን ኣብ ዙርያኣ ሕቡእ ደጀን ኣንበሩላ።</verse>
				<verse number="30">ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፤ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣብ ቅድሚ ገባዖን ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ደቂ ብንያም ድማ ነቲ ህዝቢ ኽዋግእዎ ኻብታ ኸተማ ስዒቦም ወፁ። ኣብተን ክልተ መንገዲ፥ ኣብታ ንቤቴል ኣቢላ እተድይብን፥ ኣብታ ንበረኻ ገባዖን እትወስድን፥ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ነቲ ህዝቢ ኽወቕዕዎን ክቐትልዎን ጀመሩ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ቀተሉ።</verse>
				<verse number="32">ደቂ ብንያም “ከምቲ ናይ ቅድም ንስዕሮም ኣለና” በሉ፤ ደቂ እስራኤል ግና “ካብ ከተማ ናብ መንገድታት ክንስሕቦምስ ንህደም ደኣ” በሉ።</verse>
				<verse number="33">ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቦታኦም ተሲኦም ኣብ በዓል ታማር ተሰለፉ። እቲ ሕቡእ ዝነበረ ናይ እስራኤል ጦር ድማ ኻብታ ቦታኡ ኻብ ምዕራብ ገባዖን ወፀ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ንገባዖን ሓደጋ ኣውደቑላ፤ እቲ ውግእ ኸዓ በርትዐ፤ ደቂ ብንያም ግና ኽፉእ ከም ዝበፅሖም ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ ብንያም ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝሰዓሩ ገበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ደቂ እስራኤል ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሓደ ሚእትን ሰባት ቀተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="36">ደቂ ብንያም ከዓ ኸም ዝተስዓሩ ረአዩ። ደቂ እስራኤል በቲ ኣብ ገባዖን ዘንበርዎ ሕቡእ ጦር ስለ ዝተኣማመኑ ንደቂ ብንያም ረሓቑሎም።</verse>
				<verse number="37">እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም።</verse>
				<verse number="38">ደቂ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም ዝተሓብኡ ተዋጋእቲ ተሰማሚዖም ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ደቂ እስራኤል ትኪ ምስ ረአዩ ኽዋግኡ ገፆም መለሱ። ደቂ ብንያም ከዓ “ብርግፅ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ተስዒሮም እዮም” በሉ እሞ ኽወቕዕዎምን ክቐትልዎምን ጀመሩ። ካብ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ሞቱ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ምልክት፥ በቲ ዓምዲ ትኪ፥ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፥ ደቂ ብንያም ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ኻብ ኵላ እታ ኸተማ ሃልሃልታ ንሰማይ ይዓርግ ነበረ።</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ደቂ እስራኤል ገፆም መለሱ፤ ሰብ ብንያም ከዓ ጥፍኣቶም ከም ዝበፅሐ ረአዩ እሞ ተሸበሩ።</verse>
				<verse number="42">ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="43">ንደቂ ብንያም ከቢቦም ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ መንፅር ገባዖን ኣሳጐጕዎም፤ ኣርኪቦምውን ወድእዎም።</verse>
				<verse number="44">ካብ ሰብ ብንያም ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከዓ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="45">ተመሊሶም ድማ ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ። እስራኤላውያን ግና ኻብኣቶም ኣብ መንገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።</verse>
				<verse number="46">እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ደቂ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፥ ሰይፊ ዝሓዙ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ኮኑ። እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="47">ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ግና ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="48">ሰብ እስራኤል ድማ ናብቶም ዝተረፉ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፥ ንሰብን ከፍትን ንዅሉ ዝረኸብዎን፥ ብስሕለት ሰይፊ ቐተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታትውን ብሓዊ ኣባርዕወን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ” ኢሎም ኣብ ሚፅጳ ተመሓሒሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።</verse>
				<verse number="3">“ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ እስራኤል፥ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ክጐድልስ፥ ስለ ምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል እዙይ ዝኾነ?” ድማ በሉ።</verse>
				<verse number="4">ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ እስራኤል ድማ፦ “ናብ እግዚኣብሄር ናብ ምፅጳ ዘይድይብ ብርግፅ ይቀተል” ኢሎም ፅኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ “ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብቲ ጉባኤ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ እስራኤል ከዓ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ደቂ ብንያም ዝተፈፀመ ተናሲሖም “ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ጠፍአ።</verse>
				<verse number="7">ንሕና ኻብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ፥ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፥ እንታይ ንግበረሎም?” በሉ።</verse>
				<verse number="8">“ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="9">እቲ ህዝቢ ምስ ተቘፀረ እንሆ፥ ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እቲ ጉባኤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም “ኬድኩም ነቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ምስ ኣንስትን ህፃናትን ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎም።</verse>
				<verse number="11">ክትቀትሉ እንተለኹም ከዓ፥ ንዅሉ ተባዕታይን ንዅለን ምስ ተባዕታይ ዝደቀሳ ኣንስትን ቅተሉ” ኢሎም ኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="12">ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን።</verse>
				<verse number="13">ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ኰዅሒ ሪሞን ዝነበሩ ደቂ ብንያም ልኢኾም “ንተዓረቕ” ኢሎም ቃል ሰላም ነገርዎም።</verse>
				<verse number="14">በታ ጊዜ እቲኣ ደቂ ብንያም ተመለሱ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነተን ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ሃብዎም፤ ግና ኣይኣኸላኦምን።</verse>
				<verse number="15">እቶም ህዝቢ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ፍልልይ ስለ ዝገበረ፥ በቲ ንደቂ ብንያም ዝረኸቦም ተናስሑ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዝተኣከቡ ዓበይቲ ኸዓ “ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ እንታይ ንግበር?” በሉ።</verse>
				<verse number="17">“ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ፈፂሙ ኸይጠፍእ፥ እዞም ካብ ብንያም ተሪፎም ዘለዉ፥ ሓድጊ ኸም ዝህልዎም ይኹኑ።</verse>
				<verse number="18">እንተ ኾነ ንሕና ደቂ እስራኤል ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን’ ኢልና ምሒልና ስለ ዝነበርና፥ ካብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን ኢና” ድማ በሉ።</verse>
				<verse number="19">“ሕዚ ኸዓ ኣብታ ንቤቴል ብሰሜና፥ ነታ ኻብ ቤቴል ንሴኬም እተድይብ መንገዲ ብምብራቓ፥ ንለቦና እውን ብደቡባ ኣብ ዘላ ሴሎ፥ በዓል እግዚኣብሄር በብዓመቱ ይግበር እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="20">ንደቂ ብንያም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="21">እንሆ ኸዓ፥ እተን ኣጓላት ሴሎ እናሳዕስዓ እንትወፃ ምስ ረአኹም፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወፂእኹም፥ ካብተን ኣጓላት ሴሎ ሓሓንቲ ዘርፉ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ከዓ ኺዱ።</verse>
				<verse number="22">ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኽጠርዑ እንተ መፁ ድማ ‘ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ስለ ዘይረኸብናሉ፥ በይዛኻትኩም፥ ነዘን ኣጓላትኩም ሃቡ። ንስኻትኩም ንኣኣተን ብፍታው ኣይሃብኩምዎምን እሞ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም’ ክንብሎም ኢና።”</verse>
				<verse number="23">ደቂ ብንያም ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ካብተን ዝስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፥ ከምቲ ቝፅሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከይዶም ከዓ ናብ ርስቶም ተመለሱ። ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣብኣተን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="24">ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ጊዜ እቲኣ ነናብ ዓሌቶምን ነናብ ነገዶምን ነናብ ርስቶምን ተመለሱ።</verse>
				<verse number="25">በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል፥ ንጉስ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="8">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ።</verse>
				<verse number="2">ስም እቲ ሰብኣይ ኣቤሜሌክ፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኑሓሚን፥ ስም ክልቲኦም ደቁውን መሓሎን ኬሌዎንን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝቕመጡ ኤፍራታውያን ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ ከይዶም ከዓ ኣብኣ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="3">ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ ሓንቲ ዖርፋ ዝስማ፥ ሓንቲ ኸዓ ሩት ዝስማ ሞኣባውያት ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ምስ ተቐመጡ፥</verse>
				<verse number="5">መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት።</verse>
				<verse number="7">ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከዓ ኻብታ ዝነበረታ ቦታ ወፂኣ ነታ ናብ ምድሪ ይሁዳ እትወስድ መንገዲ ሓዘት።</verse>
				<verse number="8">ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።</verse>
				<verse number="9">ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ ገገዛ ሰብኣይክን እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ይሃብክን” በለተን። ሽዑ ሰዓመተን፤ ንሳተን ከዓ ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ፤</verse>
				<verse number="10">“ኣይፋልናን፤ ምሳኺ ናብ ህዝብኺ ኽንምለስ ኢና” በላኣ።</verse>
				<verse number="11">ኑሓሚን ግና “ደቀይ! ንምንታይ ኢኽንከ ምሳይ እትኸዳ? ተመለሳ ደኣ፥ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ?</verse>
				<verse number="12">ደቀይ! ሰብኣይ ከየእቱ ኣሪገ እየ፤ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ እንተ ዝህልወኒ፥ አረ ሎሚ ለይቲ እኳ ሰብኣይ እንተ ዘእቱሞ፥ ኣወዳት ከዓ እንተ ዝወልድ፥</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ መሊሰን ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርፋ ንሓማታ ሰዓመታ፤ ሩት ግና ምስኣ ተፀግዐት።</verse>
				<verse number="15">ኑሓሚን ድማ “ሰበይቲ ሓሙትኪ እኒሃ፥ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ ኣላ፤ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ።</verse>
				<verse number="16">ሩት ግና “ንኣኺ ሓዲገ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተገድድኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ፤ ኣብ እትነብርሉ ኸዓ እነብር፤ ህዝብኺ ህዝበይ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብታ እትሞትላ እመውት፥ ኣብኣ ድማ እቕበር፤ ኣነ ብሞት እንተ ዘይኮይኑ፥ ካባኺ እንተ ተፈልየ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸኒ” በለት።</verse>
				<verse number="18">ኑሓሚን፥ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረፀት ምስ ረአየት፥ ምዝራብ ሓደገት።</verse>
				<verse number="19">ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ።</verse>
				<verse number="20">ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን ኣይትበሉኒ።</verse>
				<verse number="21">ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም።</verse>
				<verse number="22">ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ቦኤዝ ዝበሃል ዘመድ ኣቤሜሌክ ሰብኣያ ንኑሓሚን፥ ሃብታምን ፍሉጥን ሰብኣይ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ።</verse>
				<verse number="3">ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ ድማ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፂኡ ነቶም ዓፃዶ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ቦኤዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓፃዶ ሓላፊ ንዝነበረ ሓሽከሩ “እዛ መርዓት እዚኣ እንታወይቲ እያ?” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ድማ “ንሳ ምስ ኑሓሚን ካብ ምድሪ ሞኣብ ዝመፀት ሞኣባዊት እያ።</verse>
				<verse number="7">‘ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ፥ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፥ ቀሪምዶ ኽቕርምን ክኣርን በይዛኻ ፍቐደለይ?’ በለትኒ። ሕዚ እያ ቑሩብ ኣብ ፅላል ኣዕሪፋ ዘላ እምበር ንግሆ ምስ መፀት ክሳዕ ሕዚ ደው ኣይበለትን” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ቦኤዝ ንሩት “ስምዒ እዛ ጓለይ! ነዘን ኣገልገልተይ እናተኸተልኪ ድኣ ቐርሚ እምበር፥ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ።</verse>
				<verse number="9">ኣበየናይ ግራት ከም ዝዓፅዱ ርኢኺ ደድሕሪኣቶም ሰዓቢ። ነቶም ኣገልገልተይ ከይነኽኡኺ ኣዚዘዮም ኣለኹ። ማይ እንተ ፀምአኪ ድማ ናብቲ እቶም ኣገልገልተይ ቀዲሖም ዝሰትዩሉ ዕትሮታት ኬድኪ ስተዪ” በላ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንሳ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፤ “ኣነ ጋሻ እንትኸውን ብኣይ ንኽትግደስ ከመይ ኣብ ቅድሜኻ ዕድል ረኸብኩ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="11">ቦኤዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን፥ ኣቦኽን እኖኽን ዝተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፥ ቀደም ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ኸም ዝመፃእኺ ሰሚዐ እየ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።</verse>
				<verse number="13">ንሳ ኸዓ “ጐይታይ፥ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፥ ንግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ንልቢ ግዝእትኻውን ኣሕጒስካ ኢኻሞ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለት።</verse>
				<verse number="14">ጊዜ ምሳሕ ምስ ኮነ፥ ቦኤዝ “ናብዙይ ቅረቢ እሞ እንጀራ ቘሪስኪ ኻብዝ መፂፅ ፀብሒ እዙይ እናፀባሕኺ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓፃዶ ተቐመጠት፥ ጥቡስ ሸዊት ከዓ ሃባ፤ ንሳ ድማ በልዐት፤ ፀጊባውን ኣትረፈት።</verse>
				<verse number="15">ክትቅርም ምስ ተስአት ድማ፥ ቦኤዝ ነቶም ግዙኣቱ፥ “ኣብ ማእኸል እንዳእቲ እኳ እንተ ቐረመት ኣይተሰቅቕዋ፤</verse>
				<verse number="16">ካብ ዕትሪ መሲትኩም ከዓ ኽትኣርዮ ሕደጉላ እምበር ኣይትዀርዩላ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="17">ኣብቲ ግራት ከዓ ኽሳዕ ምሸት እናቐረመት ወዓለት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="18">ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ።</verse>
				<verse number="19">እታ ሓማታ ኸዓ፥ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ? ኣበይከ ሰሪሕኺ? እቲ ዝተቐበለኪ ቡሩኽ ይኹን” በለታ። ንሳ ኸዓ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝሰራሕኹ ሰብኣይ ቦኤዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝሰርሐት ንሓማታ ነገረታ።</verse>
				<verse number="20">ኑሓሚን ንሰበይቲ ወዳ “እቲ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘየቋረፀ እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለት። መሊሳ ድማ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ቀረባ ዘመድና እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዝረድኡናን ዝወርሱናን እዩ” በለታ።</verse>
				<verse number="21">እታ ሞኣባዊት ሩት ከዓ “ንሱስ ‘ብዘሎ ዓፂደይ ክሳዕ ዝውዳእ ካብቶም ኣገልገልተይ ኣይትፈለዪ’ ኢሉኒ” በለታ።</verse>
				<verse number="22">ኑሓሚን ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ “ጓለይ፥ ምስተን ኣገልገልቱ እንተ ወፈርኪ ኣብ ካልእ ግራት እንተ ዘይረኸቡኺ ፅቡቕ እዩ” በለታ።</verse>
				<verse number="23">ሩት ከዓ፥ ዓፂድ ስገምን ዓፂድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ፥ ምስተን ኣገልገልቲ ቦኤዝ ኮይና ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ?</verse>
				<verse number="2">ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ።</verse>
				<verse number="4">ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ ንሱ ኸዓ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ” በለታ።</verse>
				<verse number="5">ሩት ድማ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ።</verse>
				<verse number="6">ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት።</verse>
				<verse number="7">ቦኤዝ በልዐን ሰተየን፥ ደስውን በሎ፤ ኣብ ፀግዒ ዅልሳስ ኽድቅስ ከዓ ኸደ። ሽዑ ሩት ቀስ ኢላ መፂኣ ብወገን እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት።</verse>
				<verse number="8">ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።</verse>
				<verse number="10">ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ።</verse>
				<verse number="12">ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፥ ፅባሕ ድማ ንሱ እንተ ወረሰኪ፥ ፅቡቕ፥ ይውረስኪ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣነ ኸም ዝወርሰኪ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ሕዚ ግና ኽሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ” በላ።</verse>
				<verse number="14">ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ኣይፈለጥ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ገና ሰብ ምስ ሰብ እንተይተረኣኣየ ኣንጊሃ ተስአት።</verse>
				<verse number="15">ቦኤዝ ግና “እቲ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ነፀላ ሃቢ ዘርግሒዮ” በላ። ንሳ ድማ ዘርግሐቶ። ንሱ ኸዓ ዕስራ ኪሎ ግራም ዝኸውን ስገም ሰፊሩ ኣሰከማ። ናብ ከተማ ኸዓ ኣተወት።</verse>
				<verse number="16">ናብ ሓማታ ምስ መፀት ድማ “ከመይ ኢኺ ጓለይ?” በለታ። ሩት ከዓ እቲ ዅሉ ቦኤዝ ዝገበረላ ነገረታ።</verse>
				<verse number="17">“ናብ ሓማትኪ ጥራሕ ኢድኪ ኸይትኣትዊ ኢሉ እዝ ዕስራ ኪሎ ዝኸውን ስገም እዙይ ሂቡኒ” ድማ በለት።</verse>
				<verse number="18">ኑሓሚን ከዓ፥ “ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ” በለታ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="2">ቦኤዝ ድማ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብ ፀዊዑ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ቦኤዝ ነቲ ወራሲ ቐረባ ዘመዱ “እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ዝተመለሰት ኑሓሚን፥ ነቲ ገራሁ ኣቤሜሌክ ሓውና፥ ክትሸጦ ስለዝደለየት፥</verse>
				<verse number="4">ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ክትዕድጎ ዝግብአካ ንስኻ ምዃንካ ኸፍልጠካ ሓሰብኩ። ብዘይዝኣኻ ወራሲ የለን፤ ብድሕሬኻ ኸዓ ኣነ እየ እሞ፥ ትዕድጎ እንተ ዄንካ ዓድጎ፤ ዘይትዕድጎ እንተ ዄንካ ግና፥ ክፈልጥ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="5">ቦኤዝ ድማ “በታ ነታ ግራት ካብ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ እቲ ርስቱ ብስም እቲ ምዉት ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት ክትወስዳ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ናይ ቀረባ ዘመድውን “ርስተይ ከየባላሹስ ኣይወርሳን እየ። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ ንስኻ ውረሳ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ምውራስን ኣብ ምልዋጥን፥ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ብፃዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። በዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ከዓ ንቦኤዝ “ንስኻ ዓድጎ” በሎ፤ ሳእኑውን ኣውፅአ።</verse>
				<verse number="9">ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ስም እቲ ምዉት ድማ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቱን ካብ ዝኽሪ ዓዱን ከይጠፍእ፥ ርስቲ እቲ ምዉት ብስሙ ምእንቲ ኽፅዋዕ ኢለ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፥ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝወሰድክዋ ሎሚ ምስክር ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="11">እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፤ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣውን ኣተወ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ባረኻ እሞ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።</verse>
				<verse number="14">እተን ኣንስቲ ኸዓ ንኑሓሚን “ሎሚ ወራሲ ኣይከልአክን እሞ እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ እዝ ቘልዓ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እስራኤል ስሙ ይፀዋዕ።</verse>
				<verse number="15">እታ እተፍቅረክን ካብ ሸውዓተ ወዲ እትበልፅን ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፥ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ኣብ እርጋንኪ ዝምግበኪ ክኸውን እዩ” በላኣ።</verse>
				<verse number="16">ኑሓሚን ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ሓቘፈቶ፤ ሞግዚቱውን ኮነት።</verse>
				<verse number="17">እተን ጐረባብታ ኸዓ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ” ብምባል ኢዮቤድ ኢለን ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ እዩ፤ እሴይ ከዓ ኣቦ ዳዊት እዩ።</verse>
				<verse number="18">ትውልዲ ፋሬስ እምበኣር እዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፤</verse>
				<verse number="19">ኤስሮም ንኣራም ወለደ፤ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፤</verse>
				<verse number="20">ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፤ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፤</verse>
				<verse number="21">ሰልሞን ንቦኤዝ ወለደ፤ ቦኤዝ ንኢዮቤድ ወለደ፤</verse>
				<verse number="22">ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፤ እሴይ ከዓ ንዳዊት ወለደ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="9">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፍናና ነበረ። ንፍናና ውሉድ ነበርዋ፤ ንሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።</verse>
				<verse number="3">ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">እታ ሕልቃና መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ኽትበፅሕ እንተላ፥ ንፍናና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳትን ኣጓላትን ደቃ፥ ካብቲ መስዋእቲ ገግደኦም ሃቦም።</verse>
				<verse number="5">ንሃና ግና፥ እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ እኳ እንተ ነበረ፥ ስለ ዝፈትዋ ዕፅፊ ገይሩ ግደኣ ሃባ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ ነበረሞ፥ እታ ብፀይታ ፍናና ምእንቲ ኽተዀርያ መመሊሳ ትሕጭጨላ ነበረት።</verse>
				<verse number="7">ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት።</verse>
				<verse number="8">ሰብኣያ ሕልቃናውን “ሃና፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንኪኸ ትጕህዪ ኣለኺ? ንምንታይ ልብኺ ይሓዝን? ካብ ዓሰርተ ውላድ፥ ኣነዶ ኣይሕሸክን?” በላ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ካህን ኤሊ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤</verse>
				<verse number="11">“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።</verse>
				<verse number="12">ሃና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንዊሓ ኽትፅሊ እንተላ፥ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ሃና፥ ብልባ እንትትፅሊ ኸናፍራ ጥራሕ ይንቀሳቐስ ነበረ እምበር፥ ድምፃ ኣይተሰምዐን፤ ስለዙይ ኤሊውን ሰኺራ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="14">መሊሱውን “እዝ ስኽራንኪ ኽሳዕ መኣዝ ኢዩ? ደጊምስ ንወይንኺ እባ ኻባኺ ኣርሕቒዮ” በላ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ግና “ጐይታይ፥ ኣይፋለይን፤ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ እየ እምበር፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይሰተኹን፤ ብፀሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍስስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።</verse>
				<verse number="18">ንሳ ኸዓ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። መንገዳ ኸደት፤ በልዐትውን፤ ድሕሪዙይ ጓሂ ዝብልዎ ኣብ ገፃ ኣይተርኣየን።</verse>
				<verse number="19">ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።</verse>
				<verse number="20">ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።</verse>
				<verse number="21">ሕልቃና ድማ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብፅዓኡን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሴሎ ደየበ።</verse>
				<verse number="22">ሃና ግና ኣይደየበትን፤ ንሰብኣያ ሕልቃና ድማ “ኣነስ፥ እዝ ህፃን ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ፥ ናብ ሴሎ ኣይድይብን እየ፤ ጡብ ምስ ሓደገ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክረአ፥ ከብፅሖ እየ፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብኡ ኽነብር እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="23">ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="24">እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ህፃን ናብ ኤሊ ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="26">ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="27">ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሃና ድማ ኸምዙይ ኢላ ፀለየት፦ “ልበይ ብእግዚኣብሄር ፀንዐ፤ ቀርነይውን ብእግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ። ኣፈይ ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ተኸፈተ። ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ።</verse>
				<verse number="2">ከም እግዚኣብሄር ቅዱስ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ኻልእ የለንሞ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኰዅሒ ኸዓ የለን።</verse>
				<verse number="3">ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።</verse>
				<verse number="4">ቀስቲ እቶም ሓያላት ሰበረ፤ ነቶም ድኹማት ከዓ ሓይሊ ኣዕጠቖም።</verse>
				<verse number="5">እቶም ፅጉባት ዝነበሩ ጠመዩ፤ እቶም ጥሙያት ዝነበሩ ድማ ፀገቡ፤ እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፤ እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ይቐትል፥ የድሕንውን፤ ናብ ሲኦል የውርድ፤ መሊሱ ኸዓ የውፅእ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር የድኪ፥ የሀብትምውን፤ የዋርድ፤ ልዕል ልዕልውን የብል።</verse>
				<verse number="8">ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፤ እቶም ሓጥኣን ግና ስቕ ኢሎም ኣብ ፀልማት ይቕመጡ፤ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤ ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤ ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።”</verse>
				<verse number="11">ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ኤሊ ግና ኽፉኣት ነበሩ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄርውን ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="13">እቶም ካህናት ካብቲ ህዝቢ ኸምዙይ ዝበለ ልማድ ነበሮም፦ ዝኾነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ እንትስውእ፥ ገና እቲ ስጋ እናበሰለ እንተሎ፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ሰለስተ ዘፃፍሩ መቝለብ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመፅእ እሞ፥</verse>
				<verse number="14">ናብቲ ኣብ ቍራዕ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ መቝሎ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ድስቲ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ፃሕሊ ዘሎ ስጋ ይወግእ፤ እቲ መቝለብ ዘልዓሎ ዝኾነ ስጋ ኸዓ እቲ ኻህን ንባዕሉ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሴሎ ዝመፁ ዅሎም እስራኤላውያን ከምዙይ ይገብርዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ እንተለዉውን፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መፂኡ “እቲ ኻህን ጥረ ስጋ ደኣ እምበር፥ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፥ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ” ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቲ ሰብኣይ “ቅድም እቲ ስብሒ ይሕረር፤ ደሓር ዝደለኻዮ ትወስድ” እንተ በሎ፥ ንሱ ኸዓ “ኣይኾንን፤ ሕዚ ደኣ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ብሓይሊ ኽወስድ እየ” ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ደቂ ኤሊ በዝ ኸምዙይ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ዓብዪ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።</verse>
				<verse number="19">እኖኡ ድማ፥ እቲ በብዓመት እትስውኦ መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርብ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ እንተላ፥ ንእሽተይ ቀሚሽ ሰፍያ በብዓመት ተምፅአሉ ነበረት።</verse>
				<verse number="20">ኤሊ ድማ ንሕልቃናን ንሰበይቱን ይምርቖም ነበረ። ንሕልቃና ኸዓ “ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘወፈየቶ፥ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሃብካ” ይብሎ ነበረ። ብድሕሪኡ ናብ ቦታኦም ይምለሱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ንሃና ዘከራ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ከዓ ወለደት። ህፃን ሳሙኤል ድማ ንእግዚኣብሄር እናገልገለ ዓበየ።</verse>
				<verse number="22">ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ።</verse>
				<verse number="23">ንኣኣቶም ከዓ “እዝ ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ኽፉእ፥ ግብርኹምስ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኹም ኸምዙይ ዝበለ ነገር እትገብሩ ዘለኹም?</verse>
				<verse number="24">ኣይፋልኩምን ደቀይ፥ እቲ ብዛዕባ ንህዝቢ እግዚኣብሄር እትገብርዎ ዘለኹም እሞ ኣነ ኸዓ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ፅቡቕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="25">ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="26">ህፃን ሳሙኤል ከዓ እናዓበየን፥ ብእግዚኣብሄርን ብሰብን ድማ ሞገስ እናረኸበን ከደ።</verse>
				<verse number="27">ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብ ኤሊ መፂኡ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ፈርዖን እንተለዉ፥ ንነገድ ኣቦኻ ብርግፅ ተገሊፀሎም ነይረ።</verse>
				<verse number="28">ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ኣብ ማሕደረይ ክቐርብ ዝኣዘዝክዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምግብን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኹም እትረግፅዎ ዘለኹም? ካብ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩዎ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል ዘዝበለፀ በሊዕኹም ምእንቲ ኽትሃጥሩስ፥ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ?’</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="31">እንሆ ኣብ ቤትካ ሽማግለ ምእንቲ ኸይርከብ፥ ቅልፅምካን ቅልፅም ቤት ኣቦኻን ዘጥፍአለን መዓልቲታት ክመፃ እየን።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ኵሉ በረኸት እስራኤል፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪየይ ፀላኢኻ ኽትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ሽማግለ ኣይርከብን እዩ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ኣነ ኣብ መሰውእየይ ከገልግል ብህይወቱ ዝሓድጎ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምጥፋእ፥ ነፍስኻውን ንምምንማን ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ኣብ ቤትካ ዝተወለደ ኸዓ ብጕብዝናኡ ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="34">“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="35">ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ኵሉ ኻብ ቤትካ ዝተረፈ ኸዓ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ቍራስ እንጀራን ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ፤ ‘ቍራስ እንጀራ ምእንቲ ኽበልዕስ፥ በይዛኻ እንዶ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ’ እናበለ ድማ ኽልምኖ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ህፃን ሳሙኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በቲ ዘመን እቱይ ቃል እግዚኣብሄር ብርቂ ነበረ፤ ራእይውን ኣይግለፅን ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኣዒንቱ ደኺመን ክዓውር ቀሪቡ ዝነበረ ኤሊ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ ድንኳን ደቂሱ ነበረ። እታ ኣብ ድንኳን እትበርህ መብራህቲ ኸይጠፍአት እንተላ፥</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="5">ጐይዩ ናብ ኤሊ ኸይዱ ድማ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ከዓ ተመሊሱ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ንሳልሳይ ጊዜ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ።</verse>
				<verse number="9">ኤሊ ኸዓ “ኪድ ደኣ ደቅስ፤ እንተ ፀውዐካ ‘ኦ ጐይታ! ኣገልጋሊኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ’ በሎ” ኢሉ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ድማ መፀ፤ ደው ኢሉ ኸዓ ኸምቲ ናይ ካልእ ጊዜያት “ሳሙኤል! ሳሙኤል!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ፥ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="12">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምፅኡ እናፈለጠ፥ ብዘይምኽልካሉ ስለ ዝበደለ፥ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳ ኣፍሊጠዮ እየ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ከዓ፥ እቲ በደል ስድራ ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ምግቢ ንዘለኣለም ከም ዘይስረየሉ ምሒለ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="15">ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ።</verse>
				<verse number="16">ኤሊ ኸዓ ንሳሙኤል “ሳሙኤል ወደይ!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” በለ።</verse>
				<verse number="17">ኤሊ ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በይዛኻ ኣይትሕብአኒ። ካብቲ ዅሉ ዝተዛረበካ ሓደ እኳ እንተ ሓቢእኻለይ፥ ኣምላኽ ብብርቱዕ ይቕፃዕኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።</verse>
				<verse number="19">ሳሙኤል ከዓ ዓበየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ሳሙኤል ካብ ዝዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ መሬት ኣይወድቕን ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ እስራኤልውን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሳሙኤል እሙን ነቢይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="2">ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ህዝቢ ናብ ሴሎ ልኢኾም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ታቦት ኪዳን ኣምፅእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ መፁ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ።</verse>
				<verse number="6">ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="7">ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና!</verse>
				<verse number="8">ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ?</verse>
				<verse number="9">ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።</verse>
				<verse number="11">ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።</verse>
				<verse number="12">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ሓመድ ነስኒሱ፥ ካብቲ ውግእ ናብ ሴሎ ጐይዩ መፀ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኽመፅእ እንተሎ፥ እንሆ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ፥ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይ ዋይ በለት።</verse>
				<verse number="14">ኤሊ ድማ ድምፂ እቲ ዋይ ዋይታ ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ድምፂ ዋይ ዋይታ እዙይ እንታይ ኮን እዩ?” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ናብ ኤሊ መፂኡ ነገሮ።</verse>
				<verse number="15">ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሸሞንተን ዓመት ኮይኑ ነበረ እሞ፥ ኣዒንቱ ፈዚዘን ክርኢ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ካብቲ ውግእ ሃዲመ መፂአ እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ወደይ! ኩነታት ከመይ ኮነ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ።</verse>
				<verse number="19">ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት።</verse>
				<verse number="20">ንሞት ምስ ቀረበት ከዓ፥ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ኢለን ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ሓደኳ ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትሉንውን።</verse>
				<verse number="21">ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="22">ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ቤት ዳጎን ኣእትዮም ከዓ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ኣዛጦን ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ። ኣልዒሎም ከዓ ናብ ስፍራኡ መለስዎ።</verse>
				<verse number="4">ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ድማ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ፤ ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኣእዳዉን ከዓ ተቘሪፀን ኣብ ድርኵዂት ወዲቐን ነበራ፤ እቲ ማእኸላይ ኣካሉ ጥራሕ ተሪፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ነታ ኣብ ኣዛጦን ዘላ ድርኵዂት ዳጎን፥ ካህናት ዳጎን ኮኑ ወይ ኵሎም ናብ ቤት ዳጎን ዝኣትዉ፥ ኣብ ኣዛጦን ንዘሎ መድረኽ ዳጎን ክሳዕ ሎሚ ኣይረግፁን እዮም።</verse>
				<verse number="6">መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="7">ሰብ ኣዛጦን ከዓ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “እግዚኣብሄር ንኣናን ንዳጎን ኣምላኽናን ይቐፅዐና ኣሎ እሞ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ።</verse>
				<verse number="8">ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ።</verse>
				<verse number="9">ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="11">ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፤ ኣውያት እታ ኸተማ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ ደየበ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥</verse>
				<verse number="2">ፍልስጥኤማውያን ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ፀዊዖም፦ “ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ? ኸመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” በልዎም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም።</verse>
				<verse number="4">እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="5">እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤</verse>
				<verse number="9">ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”</verse>
				<verse number="10">እቶም ሰባት ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ነተን ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ፀመድወን፤ ነተን ብተያተን ድማ ኣብ ቤት ዓፀውወን።</verse>
				<verse number="11">ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ።</verse>
				<verse number="12">እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ለሰ፥ ስርናይ ይዓፅዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቈላሕ ኣቢሎም ከዓ ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ መፂኡ፥ ኣብ ጥቓ ዓብዪ እምኒ ቖመ። ዕንፀይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊፆም ከዓ ንተን ኣላሕም ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ።</verse>
				<verse number="15">ሌዋውያን ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ወርቂ ዘለዎ ሳፁንን ኣውሪዶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ እውን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ነዝ ዅሉ ምስ ረአዩ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣስቀሎና ተመለሱ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ኻብ ወርቂ ዝተሰርሐ ምስሊ ሕበጥ፥ ሓደ ብስም ኣዛጦን፥ ሓደ ብስም ጋዛ፥ ሓደ ብስም ኣስቀሎና፥ ሓደ ብስም ጌት፥ ሓደ ብስም ኣቃሮን ዝተልኣኸ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እተን ብወርቂ ዝተሰርሓ ኣናፁ ድማ ኻብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ቝሸታት፥ ብቝፅሪ ዅለን እተን ሓሙሽተ ኸተማታት ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዝተልኣኻ ነበራ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፥ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ ዘሎ ምስክር እዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="21">ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ደቂ እስራኤል ከዓ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="5">ሳሙኤል ድማ “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናብ ምፅጳ ኣክብዎም፤ ኣነ ኸዓ ምእንታኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ፤ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ፆሙ፤ ኣብኡ ኸዓ “ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና” ኢሎም ተናዘዙ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ፈረደ።</verse>
				<verse number="7">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ደየቡ። ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም።</verse>
				<verse number="8">ንሳሙኤል ድማ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምፅላይ ኣይትሕደግ” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ጡቦት በጊዕ ወሲዱ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ምእንቲ እስራኤል ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ።</verse>
				<verse number="10">ሳሙኤል እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐድጓድ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፥ ብደቂ እስራኤል ተስዓሩ።</verse>
				<verse number="11">እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="13">ፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ብድሕሪኡ መሊሶም ንወሰን እስራኤል ኣይወረርዎን። ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ ደቂ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፥ ካብ ኣስቀሎና ክሳዕ ጌት፥ ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሳ፤ ንወሰነን ከዓ ደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓንወን። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘመን ህይወቱ ንደቂ እስራኤል መርሖም።</verse>
				<verse number="16">ዓመት ዓመት ከዓ ናብ ቤቴልን ጌልጌላን ምፅጳን ይዘውር ነበረ፤ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከዓ ንደቂ እስራኤል ይፈርዶም ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረድቲ ገበሮም።</verse>
				<verse number="2">ስም እቲ በዅሪ ወዱ ኢዩኤል፥ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸዓ ኣቢያ ነበረ፤ ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ ፈረድቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤</verse>
				<verse number="5">“እንሆ፥ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፤ ደቅኻ ኸዓ ብመንገድኻ ኣይከዱን። እምበኣር ሕዚ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ዝፈርደልና ንጉስ አንግሰልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">“ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ንሳሙኤል ኣሕዘኖሞ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።”</verse>
				<verse number="10">ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ከንግሰሎም ዝለመኑ ህዝቢ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ነገሮም።</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ነዋልድኩም ከዓ ሽቱ ኸቃምማን ፀብሒ ኽሰርሓን እንጀራ ኽስንክታን ክወስደን እዩ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ዘዝበለፀ ገራሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንኣገልገልቱ ኽህቦም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣስራት ዝሩእኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸዓ ንሹመኛታቱን ንኣገልገልቱን ክህቦም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣገልገልትኹምን ኣግራድኩምን፥ ዘዝበለፁ ኸፍትኻትኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ኣብ ስራሑ ኸውዕሎም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ኣስራት ክወስድ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ባሮቱ ኽትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።”</verse>
				<verse number="19">እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣበይዎ። “ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይሃልወና።</verse>
				<verse number="20">ንሕና ኸዓ ኸምቶም ኵሎም ኣህዛብ ክንኸውን፥ ንጉስና ኽፈርደልናን ቀቅድሜና ወፂኡ ድማ ውግእና ኽዋግአልናን ኢና እንደሊ” በሉ።</verse>
				<verse number="21">ሳሙኤል ዅሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከዓ ንሳሙኤል “ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ከተማኡ ይኺድ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬምን ኣብ ምድሪ ሻሊሻን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ሓሊፎም ድማ ደለይወን፤ ኣብኣውን ኣይነበራን፤ ኣብ ምድሪ ብንያማውያንውን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን።</verse>
				<verse number="5">ናብ ምድሪ ፁፍ ምስ መፁ፤ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ኣቦይ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፥ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፥ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ፤ ዝበሎ ዅሉ ይፍፀም እዩ እሞ፥ ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ንሱ ምናልባሽ እንኸደሉ መንገዲ ይነግረና ይኸውን” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊ “እሺ ምኻድስ ንኺድ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንታይ ክንወስደሉ ኢና? ኣብ ለቖታና ዝነበረ እንጀራ ተወዲኡ እዩ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እነቕርበሉ ውህብቶ የብልናን፤ እንታይ ድኣ ኽንወስደሉ ኢና?” በሎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሓሽከር ከዓ ንሳኦል “እንሆ ሰለስተ ግራም ብሩር ኣብ ኢደይ ኣለኒ፤ እምበኣር መንገድና ምእንቲ ኽሕብረናስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህቦ እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)</verse>
				<verse number="10">ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን።</verse>
				<verse number="12">ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ እንተይደየበ፥ ክትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ እዩ ነቲ መስዋእቲ ዝባርኾ እቶም ህዝቢ ንሱ እንተይመፀ ኣይበልዑን እዮም። ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ ስለዙይ ሕዚ ደይቡ” በላኦም።</verse>
				<verse number="14">ናብታ ኸተማ ኸዓ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፥ እንሆ፥ ሳሙኤል ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽድይብ ናብኣቶም ኣቢሉ መፀ።</verse>
				<verse number="15">ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ ኢሉ ገሊፁሉ ነበረ፦</verse>
				<verse number="16">“ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”</verse>
				<verse number="17">ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ እግዚኣብሄር፥ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዙይ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሳኦል ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ ከም ዝኾነ በይዛኻ ኣርእየኒ?” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፤ ሎሚ ምሳይ ክትመስሑ ኢኹም እሞ፥ ቅድመይ ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ደይቡ፤ ፅባሕ ግና ዅሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ነጊረ ኽሰደካ እየ።</verse>
				<verse number="20">እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሳኦል ድማ “ኣነስ ብንያማዊ፥ ካብቶም ኣናእሽቱ ነገዳት እስራኤል ሓደዶ ኣይኮንኩን? ዓሌተይ ከዓ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝንእስዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዙይ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘለኻ?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="22">ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ኣገልጋሊኡን ናብ ኣዳራሽ ኣእትዩ፥ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ፀብሒ “ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሃብኩኻ ምቃል ስጋ ኣምፅአዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ሰራሒ ፀብሒ ኸዓ፥ ነቲ ስጋ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዝነበረን ኣምፂኡ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ “ነቲ ህዝቢ ካብ ዝፅውዕ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተቐሚጡልካ ነይሩ እዩሞ፥ ነቲ ዝተቐመጠልካ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ እዩሞ እንሆ ብልዓዮ” በሎ። ሳኦል ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።</verse>
				<verse number="25">ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ፥ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፥ ሳሙኤል ኣብ ዝባን ናሕሲ ኾይኑ ምስ ሳኦል ተዛራረበ።</verse>
				<verse number="26">ኣንጊሆም ከዓ ተስኡ። ምስ ወግሐ፥ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ኾይኑ ንሳኦል “ከፋንወካ ተስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ከዓ ተስአ፤ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ኽልቲኦም ናብ በረኻ ወፁ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነዝ ሓሽከር ‘ንቕድሜና ክሓልፍ ንገሮ፤’ ንስኻ ግና፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኽነግረካስ፥ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ሓለፈ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።</verse>
				<verse number="2">ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም።</verse>
				<verse number="3">“ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’</verse>
				<verse number="5">“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።</verse>
				<verse number="6">መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፤ ምስኣቶም ድማ ኽትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ኴንካ ድማ ኽትልወጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ በፅሑኻ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ስለ ዝኾነ፥ እቲ ዝግባእ ግበር።</verse>
				<verse number="8">“ቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ፤ እንሆ ኸዓ ኣነ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ፥ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ኽስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መፂአ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ ግና ሸውዓተ መዓልቲ ኽትፀንሕ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="9">ሳኦል ካብ ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ዅሎም እዞም ምልክታት እዚኣቶም በፅሑሉ።</verse>
				<verse number="10">ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ፥ ሳኦል ምስ ነቢያት ኮይኑ ክንበ ምስ ረአይዎ፥ “እዝ ኣብ ወዲ ቂስ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="12">ኣብቲ ስፍራ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ከዓ “ኣቦ እዞም ነቢያትስ መን ድዩ?” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ከዓ እዩ እቲ “ሳኦልውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ዝብል ምስላ ዝኾነ።</verse>
				<verse number="13">ትንቢት ምንጋር ምስ ወድአ ድማ ናብቲ መስገዲ ቦታ ኸደ።</verse>
				<verse number="14">ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሓወቦ ሳኦል ድማ “እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።</verse>
				<verse number="17">ሳሙኤል ድማ ንህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="18">ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ሳሙኤል ከዓ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፤ እቲ ዕፃ ድማ ኣብ ልዕሊ ነገድ ብንያም ወደቐ።</verse>
				<verse number="21">ንነገድ ብንያም ከዓ በብዓሌቶም ኣቕረቦም፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዓሌት ማትሪ ሓረየ። ካብ ዓሌት ማትሪ ኸዓ ንሳኦል ወዲ ቂስ ሓረየ። ንሳኦል እንተ ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን።</verse>
				<verse number="22">መሊሶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ ናብዙይዶ መፂኡ ኣሎ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “እወ! ንሱ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="23">ጐይዮም ከዓ ንሳኦል ካብኡ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ነውሖ።</verse>
				<verse number="24">ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፥ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየለ፥ ርኢኹምዶ?” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ህያው ይኹን” እናበሉ ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="25">ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ሕግታት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ዅሉ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="26">ሳኦል ድማ ናብ ቤቱ ናብ ገባዖን ከደ፤ እግዚኣብሄር ልቦም ዘለዓዓሎም ጀጋኑ ኸዓ ምስኡ ኸዱ።</verse>
				<verse number="27">ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ዓበይቲ ኢያቤስ ድማ “ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድስ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ጊዜ ሃበና፤ ዘድሕነና እንተ ሰኣንና ኸዓ ሽዑ ናባኻ ንመፅእ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ዝነብረላ ገባዖን መፁ፤ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ተናገሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ድምፆም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ።</verse>
				<verse number="6">ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ።</verse>
				<verse number="8">ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ።</verse>
				<verse number="9">ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።</verse>
				<verse number="11">ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ ‘እቲ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኣይነግስን እዩ’ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምፅኣዮም” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ሳኦል ግና “እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ ኣይመውትን እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="14">ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ “ንዑናይ! ናብ ጌልገላ ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቲ መንግስቲ ነሐድሶ” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጌልገላ ኸዱ፤ ኣብኣ ኸዓ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንገስዎ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸዓ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዓብዪ ታሕጓስ ገበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም።</verse>
				<verse number="2">ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።</verse>
				<verse number="3">ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="6">ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሓረዮም፤ ነቦታትኩም ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="8">“ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።</verse>
				<verse number="9">“ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ኢድ ሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኣሶርን ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ብምግልጋል በዲልና ኢና፤ ሕዚ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሕነና፤ ንሕና ድማ ኽነገልግለካ ኢና’ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ ንይሩበዓልን ንባርቅን ንዮፍታሔን ንሳሙኤልን ልኢኹ፥ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ዘለዉ ፀላእትኹም ኣድሓነኩም፤ ሃዲእኹም ድማ ተቐመጥኩም።</verse>
				<verse number="12">“ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓረኹምዎን ንጉስ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱልኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ንእግዚኣብሄር እንተ ፈሪሕኹምዎን እንተ ኣምሊኽኩምዎን ቃሉውን እንተ ሰሚዕኹምን ትእዛዙውን እንተ ሓሊኹምን፥ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ኵሉ ኽቐንዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ቃል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ዘይሓሊኹም ግና ሽዑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝቐፅዖም ንኣኻትኩምን ንንጉስኩምን ክቐፅዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="16">“ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ናብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ።</verse>
				<verse number="17">ሎሚ ጊዜ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትሪኡንስ፥ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፤ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጐድጓድን ዝናምን ሰደደ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን የመና ፈርሕዎም።</verse>
				<verse number="19">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳሙኤል “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፥ ንጉስ ብምልማንና ወሲኽና ኽፉእ ጌርና ኢና እሞ ምእንቲ ኸይንመውትስ፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣይትፍርሑ፤ ምግባርስ ነዝ ዅሉ ኽፉእ ነገር እዙይ ጌርኩምዎ ኢኹም፤ ግና ንእግዚኣብሄር ምኽታል ኣይትሕደጉ፤ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእኡ ኣገልግልዎ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።</verse>
				<verse number="24">እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ።</verse>
				<verse number="25">መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ሳኦል ኣብ እስራኤል ክልተ ዓመት ምስ ነገሰ፥</verse>
				<verse number="2">ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="3">ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም እስራኤል ከዓ፥ ሳኦል ንዅሎም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝወቕዖምን፥ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ከም እተፀልኡን ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል ንምኽታል ናብ ጌልገላ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="5">ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="7">ገሊኣቶም ዕብራውያን ከዓ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ገለዓድን ከዱ። ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="8">ሳኦል ከዓ ኸምቲ ሳሙኤል ዝመደበሉ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ገለዓድ ኣይመፀን። እቲ ህዝቢ ድማ ንሳኦል ሓዲግዎ ፋሕ ክብል ጀመረ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ሳኦል “ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብዙይ ኣምፅኡለይ” በለ። ባዕሉ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ።</verse>
				<verse number="11">ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።</verse>
				<verse number="14">ሕዚ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓለኻ፥ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ረኺቡ፥ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሸይምዎ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሳሙኤል ድማ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ናብ ገባዖን ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ኸዓ ኾኑ።</verse>
				<verse number="16">ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከዓ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ፤ እቲ ሓደ ኽፍሊ ናብ ኤፍራታ ናይ ምድሪ ሶጋል ኣቢሉ ኸደ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ኸዓ ናብ ቤትሖሮን ኣቢሉ ኸደ፤ እቲ ሳልሳይውን ናብቲ ኣብ ለሰ ሰቦይም ማዕዶ ወሰን፥ ብወገን ምድረ በዳ ኣቢሉ ኸደ።</verse>
				<verse number="19">ፍልስጥኤማውያን ድማ “ዕብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይስርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጢ ሓፂን ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ብልሒ ማሕረሻን መባሮታትን ማሕፀታትን ማዕፂዳትን ምስ ጐተመ፥ ኵላቶም እስራኤል ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ንማሕረሻን መባሮን በርባዕተ ግራም ብሩር፥ ንመስአን ማህፀን ሓንካሾን ከዓ ብሸሞንተ ግራም ብሩር የብልሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ብመዓልቲ ውግእ ብዘይ ሳኦልን ዮናታን ወዱን፥ እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝቢ ሰይፊ ኾነ ዂናት ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="23">ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኤፉድ ዝፀውር ከዓ ኣሒያ ወዲ ኣኪጡብ፥ ወዲ ሓዉ ንኢካቦድ ምስኣቶም ነበረ። ኢካቦድ ወዲ ፊንሓስ፥ ወዲ እቲ ኣብ ሴሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ ኤሊ እዩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ፥ ብኽልቲኡ ወገና ጨላቝ ኣኻውሕ ነበረ። እቲ ሓደ ቦፄፅ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔ ይበሃል ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ ድማ፥ “ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር፤ ንስኻ ምራሕ፤ ኣነውን እኒሀኹ ብምሉእ ልበይን ቀልበይን ምሳኻ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ዮናታን “ንዓናይ እምበኣር ናብቶም ሰባት ንሳገር፤ ከም ዝሪኡና ኸዓ ንግበር።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ‘ክሳዕ እንመፀኩም ፅንሑ’ እንተ በሉና፥ ንሕና ኣብ ዘለናዮ ንፀንሕ፤ ናብኣቶም ኣይንደይብ።</verse>
				<verse number="10">‘ናባና ደይቡ’ እንተ በሉና ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበና እዙይ ምልክት እዩ እሞ፥ ናብኣቶም ንድይብ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይን “ሓደ ነገር ክነርእየኩምስ ናባና ደይቡ” ኢሎም ፀውዕዎም። ዮናታን ከዓ ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ፥ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ደድሕረይ ደይብ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ። እቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ እውን ደድሕሪኡ ሰዓበ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ዮናታን ወደቑ፤ እቲ መንእሰይውን ደድሕሪኡ ስዒቡ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="14">በቲ ዮናታንን እቲ ኣፅዋር ዝስከም መንእሰይን ኮይኖም ዝተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ፥ መውዓሊ ፅምዲ ኣብ እትኣክል ሕሩስ ኣስታት ዕስራ ሰባት ቀተሉ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሳኦል ከዓ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብዅሉ ወገን እናተጓየየ ኽብተን እንተሎ ረአዩ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ቈፂርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ምስ ቈፀሩ ኸዓ እንሆ ዮናታንን እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይን ኣብኡ ኣይነበሩን።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ዕግርግር የመና እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ከዓ ነቲ ኻህን “ኢድካ ኣክብ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሳኦልን እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ ናይ ሕድሕድ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ነበረ። የመና ብርቱዕ ድንጋፀ ኸዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ኻብቲ ኸባቢ ምስኣቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ ዕብራውያን እውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኾኑ መፁ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፥ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፥ እግሪ እግሮም ስዒቦም ተዋግኡዎም።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ።</verse>
				<verse number="24">በታ መዓልቲ እቲኣ ሳኦል “ንፀላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድዮም፥ ክሳዕ ምሸት እንጀራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፥ ሰብ እስራኤል ደኺሞም ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ እንጀራ ዝጠዓመ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="25">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ዱር መፁ፤ ኣብቲ ልዕሊ ምድሪ ኸዓ መዓር ነበረ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቦታ መዓር ይውሕዝ ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ግና፥ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሑ፥ ማንም ኢዱ ናብ ኣፉ ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="27">ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ “ኣቦኻ ‘ሎሚ እንጀራ ዝበልዐ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ኣፅኒዑ ኣምሒልዎም ስለ ዘሎ እቲ ህዝቢ ደኺሙ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ህዝቢ ሎሚ ኻብዝ ዝረኸብዎ ምርኮ ፀላእቶም ኣፀቢቖም በሊዖም እንተ ዝኾኑ ምውቃዕ ፍልስጥኤማውያን ክንደይ ምዓበየ ነይሩ!” በለ።</verse>
				<verse number="31">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ደቂ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ማክማስ ክሳዕ ኤሎን ወቕዕዎም። ደቂ እስራኤል ከዓ እምብዛ ደኸሙ።</verse>
				<verse number="32">ናብ ምርኮ ሰሲዖም ኣባጊዕን ከፍትን ምራኹትን ወሲዶም ሓረዱ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ምስ ደሙ በልዕዎ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ “እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ ንእግዚኣብሄር ይብድል ኣሎ” ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩም ከዳዕኹም፤ ሕዚ ዓብዪ እምኒ ኣንከራሪኹም ኣምፅኡለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="34">ሳኦል ድማ “ናብቲ ህዝቢ ኼድኩም ‘ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምፅእ፤ ኣብዙይ ከዓ ሓሪድኩም ብልዑ። ምስ ደሙ ብምብላዕ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ’ በልዎም” በለ። በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ኣምፂኡ ሓረደ።</verse>
				<verse number="35">ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ሳኦል መሊሱ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ ንዝመቶም፤ ሓደ ሰብውን ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። እቲ ኻህን ግና “ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ” በሎም።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ ሳኦል “ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ? ኣብ ኢድ እስራኤልዶ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ንሳኦል ኣይመለሰሉን።</verse>
				<verse number="38">ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን።</verse>
				<verse number="39">እቲ በደል ዝተገብረ ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ንእስራኤል ዘድሕን እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ብርግፅ ክመውት እዩ” በለ። ግና ኻብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ዝመለሰሉ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ንዅሎም እስራኤል “ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፤ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንኸውን ኢና” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል “እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ።</verse>
				<verse number="41">ሳኦል ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ስለ ምንታይ ኢኻ ሎሚ ንኣይ ንባርያኻ ዘይመለስካለይ? እዝ በደል እዙይ ናተይ ወይ ናይ ዮናታን ወደይ እንተ ኾይኑ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብኡሪም መልሰለይ፤ እዝ በደል እዙይ ናይ ህዝብኻ ህዝቢ እስራኤል እንተ ኾይኑ ግና ብቱሚም ጌርካ መልሰለይ” ኢሉ ፀለየ። ሽዑ እቲ ዕፃ ናብ ዮናታንን ሳኦልን በፅሐ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓራ ወፁ።</verse>
				<verse number="42">ሳኦል ድማ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዮናታን ወደይን ዕፃ ኣውድቑ” በሎም። እቲ ዕፃ ድማ ናብ ዮናታን በፅሐ።</verse>
				<verse number="43">ሳኦል ድማ ንዮናታን “እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ንእሽተይ መዓር ጥዒመ ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ኽመውት ይግብአኒ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="44">ሳኦል ድማ “ኦ ዮናታን፥ ሎሚ እንተ ዘይሞይትካስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="45">እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ።</verse>
				<verse number="46">ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመለሰ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ቦታኦም ከዱ።</verse>
				<verse number="47">ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ።</verse>
				<verse number="48">ንሱ ጀግና ነበረ፤ ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፤ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ወረርቶም ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="49">ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ።</verse>
				<verse number="50">ሰበይቲ ሳኦል ኣኪናዓም ትብሃል ነበረት፤ ንሳ ጓል ኣሒማዓፅ እያ። ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣበኔር ይበሃል ነበረ። ኣበኔር ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ።</verse>
				<verse number="51">ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔር ኣቦ ኣበኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።</verse>
				<verse number="52">ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፥ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ሳሙኤል ንሳኦል፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፥ ክቐብአካ ልኢኹኒ ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብለካ ቓል ስማዕ።</verse>
				<verse number="2">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ።</verse>
				<verse number="3">ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ።</verse>
				<verse number="5">ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ።</verse>
				<verse number="6">ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።</verse>
				<verse number="7">ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር ተዋጊኡ ሰዓሮም፤</verse>
				<verse number="8">ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከዓ ብህይወቱ ሓዞ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ እውን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።</verse>
				<verse number="9">ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሳሙኤል ግና “እዝ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ናይ ኣባጊዕን ናይ ከፍትን ድምፂ ደኣ እንታይ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ከዓ ‘ኪድ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ውግኣዮም’ ኢሉ ሰደደካ።</verse>
				<verse number="19">ስለ ምንታይ ኢኻ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይፈፀምካ? ስለ ምንታይከ ናብቲ ዝተዘምተ ሰሲዕኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ፥ ከምቲ ዝለኣኸኒ ገይረ ኸዓ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፂአዮ ኣለኹ፤ ንኣማሌቃውያን ድማ ፈፂመ ኣጥፊአዮም እየ።</verse>
				<verse number="21">ግና እቶም ህዝቢ ዝተዘምታ ኣባጊዕን ከፍትን፥ ካብቲ ሕሩም እቲ ዘዝፀበቐ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጌልገላ ኽስውኡሉ ኢሎም ወሰዱወን” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።</verse>
				<verse number="23">ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥ ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ። ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”</verse>
				<verse number="24">ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።</verse>
				<verse number="25">ሕዚ ድማ በይዛኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፤ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከዓ ምሳይ ተመለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ሳሙኤል ንሳኦል “ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፥ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ሳኦል ጫፍ ክዳኑ ኣፅኒዑ ሓዘ እሞ ኽዳን ሳሙኤል ተቐደደ።</verse>
				<verse number="28">ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ሎሚ ንመንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፥ ካባኻ ንዝሐይሽ ንጐረቤትካ ኣሕሊፉ ሃባ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ሓይሊ እስራኤል፥ ከይናሳሕ ሰብ ኣይኮነን እሞ፥ ንሱ ኣይሕሱን፤ ኣይናሳሕንውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ሳሙኤል ምስ ሳኦል ተመለሰ፤ ሳኦል ከዓ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።</verse>
				<verse number="32">ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ።</verse>
				<verse number="33">ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ።</verse>
				<verse number="34">ሳሙኤል ከዓ ናብ ኣርማቴም ከደ፤ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ።</verse>
				<verse number="35">ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል።</verse>
				<verse number="3">ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሳሙኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፤ ናብ ቤተ ልሔምውን ከደ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ እናንቀጥቀጡ ተቐበልዎ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኸዓ በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ሳሙኤል ድማ “ብሰላም እየ፤ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ እየ መፂአ። ተቐደሱ እሞ ምሳይ ናብቲ መስዋእቲ ንዑናይ” በሎም። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፤ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="6">እሴይን ደቁን ምስ መፁ ኸዓ ሳሙኤል ንኤልያብ ረአዮ፤ “እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግፅ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ኣሎ” ድማ በለ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ እሴይ ንኣሚናዳብ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ።</verse>
				<verse number="9">እሴይ ሽዑ ንሳማ ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ።</verse>
				<verse number="10">እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “እዚኣቶም ጥራሕ ድዮም ደቅኻ?” በሎ። ንሱ ግና “ገና እቲ ንእሽተይ ተሪፉ ኣሎ፤ እንሆ ድማ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “ንሱ እንተይመፀ ኣብ ማእዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ ልኢኽካ ኣምፅኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።</verse>
				<verse number="14">መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንሳኦል “እንሆ፥ ካብ ኣምላኽ ዝመፀ ኽፉእ መንፈስ የሳቕየካ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">እምበኣርከስ ሕዚ ጐይታና ኣብ ቅድሜኻ ዘለና ኣገልገልትኻ፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ክንደሊ ኣዝዘና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ናባኻ እንትመፅእ ንሱ ብኢዱ በገና ኽፃወተልካ እዩ እሞ ኽሕሸካ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="17">ሳኦል ድማ ንኣገልገልቱ “እምበኣር ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ደሊኹም ርኸቡለይ እሞ ናባይ ኣምፅኡለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ሳኦል ንእሴይ “እቲ መጓሰ ኣባጊዕኻ ዝሕሉ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="20">እሴይ ድማ እንጀራን ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓነት ኣድግን፥ ሓደ ወጠጦን፥ ኣትሒዙ ንዳዊት ወዱ ናብ ሳኦል ሰደዶ።</verse>
				<verse number="21">ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መፀ እሞ ኣገልጋሊኡ ኾነ፤ ሳኦል ከዓ የመና ፈተዎ፤ ዳዊት ድማ ተሸካም ኣፅዋሩ ኾነ።</verse>
				<verse number="22">ሳኦል ድማ ንእሴይ “ዳዊት ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎሞ፥ ኣብ ቅድመይ ይቑም” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ሳኦል ክመፅእ እንተሎ ዳዊት በገና ሒዙ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ንሳኦልውን የሐጕሶ ነበረ፤ የዕርፎውን ነበረ፤ እቲ ኽፉእ መንፈስውን ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ፍልስጥኤማውያን ድማ ኽዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሰኮት ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፤ ኣብ ኣርፌስደሚም ኣብ መንጎ ሰኮትን ዓዜቃን ከዓ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="2">ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="3">ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ።</verse>
				<verse number="5">ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፊኡ ነበረ፤ ሓምሳን ሸውዓተን ኪሎ ግራም ዝምዘን ብነሃስ ዝተሰርሐ ድርዒ ተኸዲኑ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ኣእጋሩ ድማ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገምባለ ነበሮ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ መዝረቕ ነበሮ።</verse>
				<verse number="7">ዛቢያ ዅናቱ ድማ ምርጓዱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ነበረ፤ እቲ ዂናቱ ኸዓ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። እቲ ፀዋር ዋልታኡ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ጐልያድ ተሲኡ ነቶም ክዋግኡ ተሰሊፎም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ዓው ኢሉ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ንውግእ ተሰሊፍኩም ዘለኹም? ኣነ ፍልስጥኤማዊ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ሓሻኽር ሳኦልዶ ኣይኮንክሙን ኢኹም? ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፥ ይግጠመኒ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኽቐትለኒ እንተ ኽኢሉ፥ ንሕና ባሮትኩም ንኸውን፤ ኣነ ስዒረ እንተ ቐቲለዮ ድማ፥ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ትግዝኡና” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ።</verse>
				<verse number="11">ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ወዲ እሴይ ኤፍራታዊ ኸዓ፥ በዓል ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። እሴይ ሸሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ብዘመን ሳኦል ከዓ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ተኸቲሎም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስሞም ከዓ እቲ በዅሪ ኤልያብ፥ እቲ ኻልኣዩ ኣሚናዳብ፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይበሃሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ካብ ኵሎም ዝነኣሰ ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ምስ ሳኦል ምስ ከዱ ድማ፥</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤተ ልሔም ክሕሉ ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ጐልያድ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ፥ ጊሓትን ምሸትን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ቀሪቡ ይረአ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">እሴይ ከዓ ንወዱ ዳዊት “እዝ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ቆሎ እዙይን፥ እዝ ዓሰርተ ሕብስትን ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኣብፅሐሎም።</verse>
				<verse number="18">እዘን ዓሰርተ ጎጎ ኣጅቦ እዚኣተን ከዓ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን ምህላዎም ረአ፤ ድሃዮም ድማ ኣምፅአለይ፤</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።”</verse>
				<verse number="20">ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ።</verse>
				<verse number="21">እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ።</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ኣብ ኢድ ሓላዊ ኣቑሑ ሓዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፤ መፂኡ ኸዓ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ጠየቖም።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ጅግና በዓል ጌት፥ ካብቶም ዝተሰለፉ ፍልስጥኤማውያን ውፅእ ኢሉ፥ ከምቲ ቕድም ኢሉ ዝፍክሮ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ፈኸራኡ ቐፀለ፤ ዳዊት ድማ ነዙይ ሰምዖ።</verse>
				<verse number="24">ሰብ እስራኤል ከዓ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ዅሎም ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ የመናውን ፈርሑ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ሰብ እስራኤል ድማ “ነዝ ተሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዙይ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተሲኡ ዘሎ። ነቲ ነዙይ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከሀብትሞ እዩ፤ ጓሉ ኸዓ ኽህቦ፥ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ካብ ግብሪ ነፃ ኽገብሮ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="26">ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="27">ንሳቶም ከዓ “ነቲ ዝቐትሎ ሰብኣይ ከምዙይ ክግበረሉ እዩ” ኢሎም ነቲ ቕድም ዝበልዎ ገለፁሉ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ድማ ዳዊት ምስቶም ሰባት ክዛረብ እንተሎ ሰሚዑ፥ የመና ተቘጥዖ፤ “እንታይ ክትገብር ናብዙይ ወረድካ? እተን ውሑዳት ኣባጊዕኸ ኣብ በረኻ ምስ መን ገዲፍካየን? ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ እፈልጥ እየ፤ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘለኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ዳዊት ድማ “እንታይዶ እሞ ገይረ እየ? እዙይ ዓብዪ ነገርዶ ኣይኮነን እዩ?” በለ።</verse>
				<verse number="30">ናብ ካልእ ገፁ ግልፅ ኢሉ ኸዓ ኸም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ሰባት እውን ከምቲ ቅድም ዝበልዎ ዘረባ ደገሙሉ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ዳዊት ዝተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ኸዓ፥ ንሳኦል ነገርዎ፤ ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="32">ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ብዛዕባዙይ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፤ ኣነ ሓሽከርካ ኸይደ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክዋጋእ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ሳኦል ድማ ንዳዊት “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፤ ጐልያድ ግና ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፥ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ኣነ ሓሽከርካ ኣባጊዕ ኣቦይ እጓሲ ነበርኩ፤ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ እንትወስድ፥</verse>
				<verse number="35">ኣነ ደድሕሪኡ ወፂአ እቐትሎ፤ ካብ ኣፉውን ኣግድፎ ነበርኩ። ክበልዐኒ እንተ መፀ ኸዓ፥ ብጎሮሮኡ ሒዘ ወቒዐ እቐትሎ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="36">ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">መሊሱ ድማ “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢድ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይውን ከድሕነኒ እዩ” በለ። ሳኦል ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኪድ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ።</verse>
				<verse number="39">ዳዊት ድማ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጠቐ። ፈቲኑዎ ኣይፈልጥን እሞ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ፈቲነዮ ስለ ዘይፈልጥ፥ ከምዙይ ኢለ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ፤ ዳዊትውን ካብ ልዕሊኡ ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="40">በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ ሩባውን ሓሙሽተ ልሙፃት ኣእማን ሓርዩ፥ ኣብቲ ኽጓሲ እንተሎ ምስኡ ዝነበረ ሳንጣ ኣንበረን፤ ወንጭፉ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸዓ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ቐረበ።</verse>
				<verse number="41">እቲ ፍልስጥኤማዊውን ናብ ዳዊት ቐረበ። እቲ ዋልታኡ ዝፀውር ሰብኣይ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="42">እቲ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ ከዓ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረአዮ፥ ንሱ ቐይሕ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ እሞ ነዓቖ።</verse>
				<verse number="43">ንዳዊት ከዓ “ብበትሪ እትመፀንስ ኣነ ኸልቢ ድየ?” በሎ፤ ብስም ኣማልኽቱ ድማ ረገሞ።</verse>
				<verse number="44">ንዳዊት ከዓ “ነዓ ናባይ፤ ኣነ ኸዓ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ክህቦም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="45">ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="46">ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።</verse>
				<verse number="47">እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="48">እቲ ፍልስጥኤማዊ ተሲኡ ንዳዊት ክገጥሞ ምስ ቀረበ፥ ዳዊትውን ንጐልያድ ክገጥሞ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ።</verse>
				<verse number="49">ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ንጐልያድ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፤ እታ እምኒ ኸዓ ናብ ግምባሩ ኣተወት፤ ንሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።</verse>
				<verse number="50">በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን።</verse>
				<verse number="51">ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="52">ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ።</verse>
				<verse number="53">ደቂ እስራኤል ከዓ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፥ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ።</verse>
				<verse number="54">ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ነፅዋር ጐልያድ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="55">ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="56">እቲ ንጉስ ድማ “እምበኣር እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን ምዃኑ ጠይቕ” በሎ።</verse>
				<verse number="57">ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ኣበኔር ናብ ሳኦል ኣእተዎ፤ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ገና ኣብ ኢድ ዳዊት ነበረት።</verse>
				<verse number="58">ሳኦል ድማ “ኣታ ቘልዓ፥ ወዲ መን ኢኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “ወዲ ሓሽከርካ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም እየ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ።</verse>
				<verse number="2">ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን።</verse>
				<verse number="3">ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ።</verse>
				<verse number="4">ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ።</verse>
				<verse number="7">ከምዙይ ኢለን እናደረፋ ድማ ተቐበላኦ፦ “ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ።”</verse>
				<verse number="8">ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ።</verse>
				<verse number="9">ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ።</verse>
				<verse number="10">ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">“ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ካብኡ ርሒቑ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት የመና መስተውዓሊ ኸም ዝኾነ ሪኡ ሳኦል ፈርሖ።</verse>
				<verse number="16">ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ግና፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ይወፅእን ይኣቱን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት ፈተውዎ።</verse>
				<verse number="17">ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ዳዊት ድማ ንሳኦል “ሓሙ እቲ ንጉስ ዝኸውንስ ኣነ መን እየ? ህይወተይከ እንታይ እያ? ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ግና ሜራብ ጓል ሳኦል፥ በታ ንዳዊት ክትወሃብ ዝተሓስበትላ ጊዜ፥ ንዓድርኤል ነቲ መሖላታዊ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ተውሃበት።</verse>
				<verse number="20">ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ።</verse>
				<verse number="21">ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ሳኦል ከዓ ነቶም ሓሻኽሩ “እንሆ፥ ንጉስ ብኣኻ ደስ ኢልዎ ኣሎ፤ ኵሎም ሓሻኽሩ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፤ ሕዚ ኸዓ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ኩን ኢልኩም ንዳዊት ብምስጢር ተዛረብዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="23">እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ሓሻኽር ሳኦል ከዓ ዳዊት ከምዙይ ከም ዝበለ ንሳኦል ነገርዎ።</verse>
				<verse number="25">ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም።</verse>
				<verse number="26">እቶም ኣገልገልቲ ሳኦል ድማ እዝ ዘረባዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ሽዑ ዳዊት ሰብኣይ ጓል ንጉስ ክኸውን ተሓጐሰ። ገና እተን መዓልቲታት እንተይኣኸላ ድማ፥</verse>
				<verse number="27">ዳዊት ምስቶም ሰዓብቱ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፥ እቲ ቝልፈቶም ቈሪፁ ኣምፅአ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ምሉእ ቍፅሪ ገይሩ ሃቦ። ሳኦል ድማ ጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።</verse>
				<verse number="28">ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥</verse>
				<verse number="29">ንዳዊት የመና ፈርሖ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ፀላኢ ዳዊት ኮነ።</verse>
				<verse number="30">ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ</verse>
				<verse number="2">“ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ኸዓ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፥ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፤ ዝኾነ ነገር ምስ ፈለጥኩ ኸዓ ኽነግረካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="11">ሳኦል ድማ፥ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ግና “በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="12">ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="13">ሜልኮል ድማ ምስሊ ጣዖት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣጋደመቶ፤ ኣብ ትርኣሱውን መኼዳ ፀጕሪ ጤል ገበረትሉ፤ ክዳንውን ከደነቶ።</verse>
				<verse number="14">ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እንሆ እቲ ምስሊ ጣዖት መኼዳ ፀጕሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="18">ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="19">ንሳኦል ድማ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="20">ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።</verse>
				<verse number="21">እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ቝጥዓ ሳኦል ነደደ፤ ባዕሉውን ናብ ኣርማቴም ኸደ፤ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዒላ ምስ በፅሐ ድማ፥ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ?” ኢሉ ጠየቐ። “እነሆ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣለዉ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="23">ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="2">ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ።</verse>
				<verse number="6">ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ።</verse>
				<verse number="7">‘ይኹን’ እንተበለካ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ደሓን ማለት እዩ። የመና እንተ ተቘጥዐ ግና፥ ክፉእ ኸም ዝመደበ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="8">እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።</verse>
				<verse number="12">ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="14">ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ግና፥ ምእንቲ ኸይመውት ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ።</verse>
				<verse number="17">ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፥ ስለ እቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ መሓለሉ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ኸዓ ንዒላማ ኸም ዝውርውር ሰለስተ ፍላፃ ናብኣ ኣቢለ ኽውርውር እየ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘ኪድ ነቲ ፍላፃታት ድለዮ’ ኢለ ድማ ኽሰዶ እየ፤ ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘እነሆ፥ እቲ ፍላፃ ካባኻ ናብዙይ እዩ ዘሎ፥ ሒዝካዮ ናባይ ነዓ’ እንተ በልክዎ፥ ንኣኻ ደሓን ማለት እዩ፤ ሽዑ ምፃእ ዝኾነ ነገር ከም ዘይህሉ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">ነቲ መንእሰይ ‘እንሆ፥ እቲ ፍላፃታት ካባኻ ንንየው እዩ ዘሎ’ እንተ በልክዎ ግና ሽዑ እግዚኣብሄር ኣሰናቢቱካ እዩ እሞ፥ ኪድ።</verse>
				<verse number="23">ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝተዛረብናዮ ነገር ከዓ፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="25">ከም ልማዱ ድማ ኣብ መንበሩ፥ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተፀጊዑ ዝነበረ ወንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጠ። ኣበኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ወንበር ዳዊት ከዓ ጥራሓ ነበረት።</verse>
				<verse number="26">ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን።</verse>
				<verse number="27">ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ዮናታን ድማ ንሳኦል “ዳዊት ‘ናብ ቤተ ልሔም ክኸይድ ፍቐደለይ’ ኢሉ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ፥</verse>
				<verse number="29">‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነደደ፤ “ኣታ ወዲ እዛ ቐይናን ዓመፀኛ ሰበይቲ፥ ነቲ ነውርኻን ንነውሪ እታ ዝወለደትካ እኖኻን ዝኸውን፥ ወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻ ኣይፈልጥን ድየ?</verse>
				<verse number="31">ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="33">ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="34">ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ ማእዲ ተስአ፤ ኣቦኡ፥ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፥ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እንጀራ ኣይበልዐን።</verse>
				<verse number="35">ንፅባሒቱ ድማ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት ዝተሰማምዖ ናብ በረኻ ወፀ፤ መንእሰይ ሓሽከርውን ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="36">ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ “ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላፃታት ድለዮ” በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ እንተሎ ፍላፃ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ።</verse>
				<verse number="37">እቲ ሓሽከር ኣብታ ዮናታን ፍላፃ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በፅሐ፤ ዮናታን ነቲ ሓሽከር ፀዊዑ “እቲ ፍላፃ ካባኻ ንንየውዶ ኣይኮነን ዘሎ?”</verse>
				<verse number="38">“ተሎ በል፤ ቀልጥፍ፥ ደው ኣይትበል” እናበለ ዓው ኢሉ ነቲ ሓሽከር ፀውዖ። እቲ ሓሽከር ዮናታን ድማ ነቲ ፍላፃታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="39">ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራሕ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር እቲ ሓሽከር ኣይፈልጥን ነበረ።</verse>
				<verse number="40">ዮናታን ከዓ ኣፅዋሩ ነቲ ሓሽከሩ ሂቡ፥ “ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።</verse>
				<verse number="42">ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት “ኵሉ ዝበልዖ እንጀራ ኣብ ኢደይ የለን፤ እቶም ኣጓብዝ ካብ ኣንስቲ ዝተሓለዉ እንተ ኾይኖም ግና ቅዱስ እንጀራ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ።</verse>
				<verse number="7">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ንኣንኩስ ከዓ እቶም ሓሻኽሩ፥ “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ሃገርዶ ኣይኮነን? እቲ ‘ሳኦል ሺሕ፥ ዳዊት ድማ እልፊ ቐተለ’ ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ድማ ነዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፤ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ የመና ፈርሖ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ባህርዩ ለወጠ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ኸም ዕቡድ ኮነ፤ ኣብቲ መድረኽ መዓፁ እቲ ኣፍ ደገውን ፈርፈር በለ፤ ልዛዩ ኸዓ ብጭሕሙ ዘርበብ ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣንኩስ ንሹመኛታቱ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ዕቡድ ምዃኑ ትሪእዎ ኣለኹም፤ ስለ ምንታይ ናባይ ኣምፃእኹምዎ?</verse>
				<verse number="15">ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምፃእኹምለይስ፥ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ? እዙይዶ ናብ ገዛይ ክኣቱ ይግባእ?” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="5">ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።</verse>
				<verse number="6">ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ሳኦል ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሹመኛታቱ “ኣቱም ብንያማውያን፥ እስኪ ስምዑ፤ ወዲ እሴይስ ንዅልኹምዶ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ?</verse>
				<verse number="8">ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ኣዝማዱን ልኢኹ ፀውዖም። ኵላቶም ከዓ ናብ ንጉስ መፁ።</verse>
				<verse number="12">ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="13">ሳኦል ድማ “ንሱ ኸምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትስአኒ ንእኡ እንጀራን ሰይፍን ብምሃብካ፥ ምእንታኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፥ ስለ ምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን ዝተመሳጠርኩምለይ?” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="15">ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="16">ንጉስ ግና “ኣቢሜሌክ፥ ንስኻን ኵላ ቤት ኣቦኻን ብርግፅ ክትሞቱ ኢኹም” በሎ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ።</verse>
				<verse number="19">ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።</verse>
				<verse number="20">ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብያታር ዝስሙ፥ ግና መሊቑ ናብ ዳዊት ሃደመ።</verse>
				<verse number="21">ኣብያታር ከዓ፥ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ንዳዊት ድማ፥ “እንሆ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይወግእዋ፤ ዓውድታትውን ይወርሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="6">ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="8">ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰዓብቱን ተልዒሎም ካብ ቅዒላ ወፁ፤ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሳኦል ከዓ፥ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፥ ምውፃእ ሓደገ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ።</verse>
				<verse number="17">ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="21">ሳኦል ድማ “ስለ ዝሓሰብኩምለይ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም።</verse>
				<verse number="22">ንሱ የመና ጐራሕ ከም ዝኾነ፥ ነጊሮምኒ ኣለዉ እሞ፥ በይዛኻትኩም ኬድኩም ኣበይ ከም ዝመላለስን መን ከም ዝረአዮን ኣረጋጊፅኩም ፍለጡን ረአዩን።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ።</verse>
				<verse number="26">ሳኦልን ሰዓብቱን ነቲ ጎቦ ብሓደ ወገኑ ኸዱ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ነቲ ጎቦ በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፥ ዳዊት ካብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሃደመ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ።</verse>
				<verse number="29">ዳዊት ካብኡ ደዪቡ ኣብቲ ናይ ዓይንጋዲ ፅኑዕ ቦታ ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ሳኦል ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመለሰ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ።</verse>
				<verse number="3">ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።</verse>
				<verse number="5">ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ።</verse>
				<verse number="6">ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪዙይ ዳዊት ተሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወፀ፤ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ኸዓ ንሳኦል ፀውዖ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልፅ ምስ በለ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ?</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ።</verse>
				<verse number="11">ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኻ ይበቀለለይ፤ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ‘ሓጢኣት ካብ ሓጢኣተኛታት ሰባት እዩ ዝወፅእ’ ከም እተብሃለ፥ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን።</verse>
				<verse number="14">“ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወፂኡ ዘሎ? ንመንከ ኢኻ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ? ንምዉት ከልቢ? ወይ ንቝንጪ?</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ እግዚኣብሄር ዳኛ ኾይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ሪኡውን ይማጐተለይ፤ ካብ ኢድካውን የድሕነኒ።”</verse>
				<verse number="16">ዳዊት እዝ ዘረባ እዙይ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ሳኦል፥ “ወደይ ዳዊት እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በለ፤ ሳኦልውን ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ።</verse>
				<verse number="17">ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ።</verse>
				<verse number="19">ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ።</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ንስኻ ብርግፅ ከም እትነግስ፥ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብዘመንካ ኸም እትፀንዕ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ ኸዓ፥ ብድሕረይ ንዘርአይ ከይተጥፍኦ፥ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይትድምስሶ፥ ብእግዚኣብሄር መሓለለይ።”</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ተመለሰ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ናብ እምባ ደየቡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።</verse>
				<verse number="2">ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ድማ ኣብ ምድረ በዳ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቘርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጓብዝ ልኢኹ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይብኩም ናብ እንዳ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ ሰላም በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ ኸዓ ፀጕሪ ኣባጊዕ ትቘርፅ ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይዓመፅናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ብዝነበሩሉ ጊዜ ኸዓ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍኦምን።</verse>
				<verse number="8">ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።”</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ መፁ ድማ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ስቕ ኢሎም ከዓ ተፀበዩ።</verse>
				<verse number="10">ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="11">እንጀራይን ወይነይን፥ እቲ ንቘረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ኢለ ዝሓረድክዎ ስጋን፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህብ እየ?” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ ዘይሮም ብዝመፁሉ መንገዲ ተመለሱ። መፂኦም ከዓ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ሰይፉ ተዓጠቐ። ደድሕሪ ዳዊት ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ድማ ኣቑሑ ኽሕልዉ ተረፉ።</verse>
				<verse number="14">ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም።</verse>
				<verse number="15">እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣና የመና ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፤ ኣይዓመፁናን፤ በቲ ኣብ ምድረ በዳ ምስኣቶም ዝነበርናሉ ጊዜ ድማ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍአናን።</verse>
				<verse number="16">ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም እንተለና፥ ለይቲ ኾነ መዓልቲ፥ ኵልሻዕ ሓፁር ኮይኖምና ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ድማ ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኸስምዖ ዘይኽእል ክፉእ ሰብ እዩ እሞ፥ ሕዚ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ይመፆ ኣሎ፤ ስለዙይ ረአዪ፤ እትገብርዮ ኸዓ ፍለጢ” በላ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ።</verse>
				<verse number="19">ንኣገልገልታ ኸዓ “ቐቅድመይ ሕለፉ፤ እኒሀኹ ኽስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ኣድጊ ተቐሚጣ፥ ነቲ ጎቦ ብኸውላ ኸውሊ ኽትድይብ እንተላ፥ እንሆ፥ ዳዊትን ሰዓብቱን ከዓ ይወርዱ ነበሩ። ንሳ ድማ ተራኸበቶም።</verse>
				<verse number="21">ዳዊት ከዓ ኸምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ኣብ ምድረ በዳ ጥሪቱ ኸይጠፍኦ ኢለ ሓለኹሉ፤ ንሱ ግና ኸንቱ እዩ። ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ መለሰለይ።</verse>
				<verse number="22">ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።”</verse>
				<verse number="23">ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።</verse>
				<verse number="24">ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="25">ጐይታይ! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ናባል፥ ኣብዝ ክፉእ ሰብ እዙይ፥ ኣይተቕልበሉ። ስሙ ናባል እዩ፤ ከም ስሙ ኸዓ ዓሻ እዩ፤ ከም ስሙውን ስራሕ ዓሻ ይሰርሕ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ሰባት ኣይረአኽዎምን።</verse>
				<verse number="26">“ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ።</verse>
				<verse number="27">ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ።</verse>
				<verse number="29">ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥</verse>
				<verse number="31">ንፁህ ደም ኣፍሲሰ፥ ሕነይውን ፈድየ ኢልካ ኣብ ሕሊናኻ ነስሓ ኣይስምዐካን እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፥ ንኣይ ንገረድካ ዘክረኒ።”</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።</verse>
				<verse number="33">ለባም ስለ ዝኾንክን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ምፍሳስ ደም ክምለስ ስለ ዝገበርክንን ብርኽቲ ኹኒ።</verse>
				<verse number="34">በቲ ኽፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ፤ ንስኺ ኽትራኸብኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመፅስ ንናባል ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ” በላ።</verse>
				<verse number="35">ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ።</verse>
				<verse number="36">ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን።</verse>
				<verse number="37">ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ።</verse>
				<verse number="38">ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ።</verse>
				<verse number="39">ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኻብ ናባል ዝበፅሐኒ ውርደት ዝፈረደለይ፥ ንኣይ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን። ናባል ክፍኣት ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀሰፎ” በለ። ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ።</verse>
				<verse number="40">እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ናብ ቀርሜሎስ መፂኦም ንኣቢግያ “ዳዊት ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኽወስደኪ ደልዩ፥ ናባኺ ልኢኹና” ኢሎም ነገርዋ።</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት።</verse>
				<verse number="42">ኣቢግያ ከዓ ቐልጢፋ ተስአት፤ ኣብ ኣድጊ ድማ ተቐመጠት፤ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ተኸተላኣ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ኸደት፤ ሰበይቱውን ኮነት።</verse>
				<verse number="43">ዳዊት ንኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ድማ ወሲድዋ ነበረ። ክልቲአን ከዓ ኣንስቱ ኾና።</verse>
				<verse number="44">ሳኦል ግና ንጓሉ ሜልኮል፥ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት፥ ንፋልጢ ወዲ ለሌሳ በዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ገባዖን መፂኦም “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ የሴሞን ተሓቢኡ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሳኦል፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደልዮ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ምስኡ ሒዙ፥ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ።</verse>
				<verse number="3">ሳኦል ከዓ ኣብታ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዘላ ዀረብታ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ ምድረ በዳ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ ምድረ በዳ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ ድማ፥</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ ተሲኡ፥ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዝነበረ ቦታ መፀ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ኸዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ደቀሰ፤ እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ዳዊት ንኣቢሜሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር፥ መን ምሳይ ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳይ ከዓ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” በለ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ድማ “ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ወይ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ በፂሓ ኽመውት እዩ፤ ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ከዓ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰዶ። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፥ ሓደ እኳ ዝረአየ፥ ወይ ዝፈለጠ፥ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ድማ ናብ ማዕዶ ሓሊፉ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ዀረብታ ደው በለ፤ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ገፊሕ ቦታ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ነቶም ሰራዊትን ንኣበኔር ወዲ ኔርን “ኣታ ኣበኔር፥ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ ፀውዖ። ኣበኔር ድማ “ኣታ እትፅውዕ፥ ንንጉስ ከዓ ድቃስ እትኸልእ፥ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ከዓ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መፂኡ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ?</verse>
				<verse number="16">እዝ ዝገበርካዮ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኹም ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ስለ ዘይሓለኹምዎ፥ ንስኻትኩም ሞት ከም ዝግብአኩም ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። እስኪ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሳኦል ድማ ድምፂ ዳዊት ኣለልዩ፥ “ወደይ ዳዊት፥ እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እወ፥ ጐይታይ ንጉስ! ድምፀይ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ኣስዒቡውን “እንታይ ገይረ እየ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ፥ ጐይታይ፥ ንሓሽከርካ እተሳጕጐኒ ዘለኻ?</verse>
				<verse number="19">እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።</verse>
				<verse number="23">ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን።</verse>
				<verse number="24">እንሆ ድማ ኸምቲ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዝራህራህኹልካ እግዚኣብሄር ይራህርሀለይ፤ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ” በለ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ሳኦል ንዳዊት “ኣታ ወደይ ዳዊት፥ ቡሩኽ ኩን። ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅውን ክሰልጠካ እዩ” በሎ። ድሕሪዙይ ዳዊት መንገዱ ኸደ፤ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን፥ ተሲኦም ናብ ቤት ንጉስ ናብ ወዲ ኣሜህ ናብ ኣንኩስ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ከዓ ነታ ሃገር ወረራ፤ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ንዝኾነ ብህይወት ኣይሓደገን፤ ኣባጊዕን ከፍትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ማረኸ፤ ተመሊሱውን ናብ ኣንኩስ መፀ።</verse>
				<verse number="10">ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት “ኵልሻዕ ልማዱ ኸምዙይ ነበረ” ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፥ ንሰብኣይ ኮነ ንሰበይቲ ይቐትሎም ነበረ እምበር ናብ ጌት ኣየምፅኦምን ነበረ። ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜያት ከምዙይ ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኣንኩስ ንዳዊት “ብህዝቡ፥ ህዝቢ እስራኤል፥ የመና ተፀሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ኣገልጋሊየይ ክኾነኒ እዩ” ኢሉ ኣመኖ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ድማ “ኣነ ሓሽከርካ ሕዚ ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣንኩስ ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኵልሻዕ ንባዕለይ ሓላዊየይ ክገብረካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">በቲ ጊዜቱይ ሳሙኤል ሞይቱ ነበረ፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ከዓ ኣልቂሶምሉ፥ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ኣርማቴም ቀቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ ንጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ካብታ ምድሪ ኣጥፊእዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="5">ሳኦል ድማ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአየ ፈርሐ፤ ልቡውን የመና ተሸበረ።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">ሳኦል ድማ መልክዑ ለዊጡ፥ ካልእ ክዳን ተኸዲኑ፥ ምስኡ ኽልተ ሰባት ተማሊኡ፥ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መፀ። “በይዛኺ ምስ መናፍስቲ ተራኺብኪ ነቲ ኣነ ስሙ ዝፅውዐልኪ ሰብ ኣተስእለይ” በላ።</verse>
				<verse number="9">እታ ሰበይቲ ድማ “ሳኦል ዝገበሮ፥ ነቶም ጠንቈልትን ነቶም መናፍስቲ ዝፅውዑን ካብዛ ምድሪ ኸም ዘጥፍኦም፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለ ምንታይከ ኽተቕትለኒ ኢልካ ንነፍሰይ መፃወድያ ትገብረለይ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="10">ሳኦል ድማ “በዝ ነገር እዙይ ዝኾነ ቕፅዓት ከም ዘይረኽበኪ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እታ ሰበይቲ “ንመንከ ኸተስአልካ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንሳሙኤል ኣተስእለይ” በላ።</verse>
				<verse number="12">እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፥ “ንስኻ ሳኦል እንተለኻ ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘታለልካኒ?” ኢላ ዓው ኢላ ተዛረበት።</verse>
				<verse number="13">እቲ ንጉስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ ግዳ እንታይ ትርእዪ ኣለኺ?” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፥ “ኣማልኽቲ ኻብ ምድሪ እንትወፁ ሪአ” በለቶ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ “መልክዑ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ “ካባ ዝተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወፅእ ኣሎ” በለት። ሽዑ ሳኦል፥ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።</verse>
				<verse number="15">ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘተሳእኻኒ? ስለ ምንታይከ እትህውኸኒ?” በሎ። ሳኦል ከዓ “ንኣይ የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄርውን ርሒቑኒ፥ ብነቢያት ኮነ ብሕልሚ ኣይመለሰለይን፤ ስለዙይ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ እየ ዝፀዋዕኹኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ፥ ፀላኢኻውን ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ?</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄርስ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፤ ነታ መንግስቲ ኸዓ ኻብ ኢድካ ኣሕዲጉ ንብፃይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘይፈፀምካን ከምቲ መዓት ቍጥዓኡ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋእኻዮምን እዩ፥ እግዚኣብሄር ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዘውረደልካ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንእስራኤልን ንኣኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ፅባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኮኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል የመና ፈሪሑ፥ ብምሉእ ቁመቱ ፃሕ ኢሉ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከዓ እንጀራ ኣይበልዐን ነበረ እሞ፥ ምንም ሓይሊ ኣይነበሮን።</verse>
				<verse number="21">እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መፂኣ፥ የመና ኸም ዝደንገፀ ሪኣ “እንሆ፥ ኣነ ገረድካ ቓልካ ሰሚዐ፥ ንህይወተይ ኣብ ኢደይ ዓሚዀ ኸምቲ ዝበልካኒ ገበርኩ።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንስኻ ዘረባይ፥ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፤ መንገዲ ኽትከይድ እንተለኻ፥ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብስ፥ ቍራስ እንጀራ ኸቕርበልካ ብላዕ” በለቶ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ግና “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ሹመኛታቱ፥ ምስታ ሰበይቲ ኾይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸዓ፥ ካብ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣብ ዓራት ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="24">እታ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዛኣ ስቡሕ ጣዕዋ ነበራ፤ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፤ ሕሩጭ ወሲዳ ኸዓ ለዊሳ ቕጫ ሰንከተት።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ሹመኛታቱን ቀረበትሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑ፤ ተሲኦም ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ነገስታት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኮይኖም ይጕዓዙ ነበሩ፤ ዳዊትን ሰባቱን ከዓ ደጀን ኮይኖም ደድሕሪ ኣንኩስ ይጕዓዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል?</verse>
				<verse number="5">እዙይስ እቲ ደረፍቲ እናሳዕስዓ፦ ‘ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ’ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?”</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኣንኩስ ንዳዊት ፀዊዑ “ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝኾንካ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብታ ናባይ ዝመፃእኻላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፥ ኣብዝ ሰራዊት እዙይን ምሳይ ምውፃእኻን ምእታውካን ሰናይ እዩ። ነዞም ኣሕሉቕ ግና ደስ ኣየበሎምን።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ሕዝስ ነሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዘጕሂ ኸይትገብርስ፥ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “እንታይ እሞ ገይረ እየ? ኸይደ ምስ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእስ፥ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝኾንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሓሽከርካ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “እዞም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ኾይኑ ኣይዋጋእ’ ስለ ዝበሉ ደኣ እምበር ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበር ዘይብልካ ኸም ዝኾንካ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ኸዓ፥ ፅባሕ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝመፁ ኣገልገልቲ ጐይታኻን ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ፥ ምስ ወግሐ ተሲእኹም ኪዱ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለሱ፥ ኣንጊሆም ተስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ነንስትን ኣብኣ ንዝፀንሑ ዅሎምን ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፤ ግና ማሪኾም ደኣ መንገዶም ከዱ እምበር፥ ሓደ ዝቐተልዎ ሰብ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="3">ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።</verse>
				<verse number="5">ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ።</verse>
				<verse number="6">ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን መሪርዎ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዳዊት ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ እሞ፥ የመና ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ድማ፥ “ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ? ኸርክቦምዶኸ እኽእል እየ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ብርግፅ ክተርክቦም፥ ብርግፅውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፥ ሰዓቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፤ ኣብ ሩባ በሶር ምስ በፅሑ ኸዓ ገሊኣቶም ሰባት ኣብኡ ተረፉ።</verse>
				<verse number="10">እዚኣቶም ደኺሞም ንሩባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ንድሕሪት ዝተረፉ ኽልተ ሚእቲ ሰባት እዮም። ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰጊሮም ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ በረኻ ድማ ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ረኺቦም ናብ ዳዊት ኣምፂኦም፥ እንጀራ ሃብዎ፤ ማይውን ኣስተይዎ።</verse>
				<verse number="12">ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሃብዎ። ንሱ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን ሰለስተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ምስ በልዐ ነፍሱ ናብ ባዕሉ ተመለሰት።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ።</verse>
				<verse number="14">ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ድማ “ናብቶም ሰራዊት ክትመርሐኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ናብቶም ሰራዊት ክመርሐካስ፥ ከይትቐትለኒ፤ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፤ ብኣምላኽ መሓለለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ መሪሑ ምስ ወሰዶ ኸዓ እንሆ፥ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝዘመትዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ድማ ፅልግልግ ክብል እንተሎ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምሸት ወግኦም። ብዘይ እቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተቐሚጦም ዝሃደሙ ኣጓብዝ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።</verse>
				<verse number="18">ዳዊት ከዓ ነቲ ዅሉ ኣማሌቃውያን ዘሚቶምዎ ዝነበሩ ኣምለሰ፤ ንኽልቲአን ኣንስቱውን ኣምለሰን።</verse>
				<verse number="19">ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ካብ ኣወዳት ኮነ ኻብ ኣዋልድ፥ ካብቲ ዅሉ ተዘሚቱ ዝነበረ፥ ሓደኳ እንተየትረፈ ዳዊት ኣምለሶ።</verse>
				<verse number="20">ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ከፍትን ዘመተን፥ ኣገልገልቱ ኸዓ ንኣኣተን ቀቅድሚ ዳዊት እናኾብኰቡ “እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ሩባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰባት መፀ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ክቕበልዎም ወፁ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ “ደሓን” ምህላዎም ጠየቐ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ፥ እቶም ክፉኣትን፥ መዕገርገርትን ዝኾኑ ሰባት፥ “እዚኣቶም ምሳና ስለ ዘይከዱ፥ ካብዝ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፎም ኣንስቶምን ደቆምን ጥራሕ ሒዞም ይኺዱ” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ዳዊት ግና “ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ሓልዩናን፥ ነቲ መፂኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፥ በቲ ንሱ ዝሃበናስ ከምዙይ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="24">በዝ ነገር እዙይ ደኣ መን ክሰምዐኩም እዩ? ግደ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉን፥ ግደ እቶም ኣቑሑ ዝሓለዉን ሓደ እዩ እሞ፥ ኵሎም ማዕረ እዮም ዝማቐሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።</verse>
				<verse number="26">ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።</verse>
				<verse number="27">ነቶም ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት፥ ኣብ የቲር፥</verse>
				<verse number="28">ኣብ ዓሮዔር፥ ኣብ ሲፍሞት፥ ኣብ ኤሽትሞዓ፥</verse>
				<verse number="29">ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥</verse>
				<verse number="30">ኣብ ሔርማ፥ ኣብ ቦርዓሻን፥ ኣብ ዓታኽ፥</verse>
				<verse number="31">ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፥ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን ዝነበሩለን ኵለን ቦታታት፥ ገፀ በረኸት ሰደደሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ።</verse>
				<verse number="2">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ንደቁ ዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳንን ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ውግእ ከዓ ንሳኦል በርትዖ፤ ፍላፃ ዝውርውሩ ሰባት ኣርኪቦም ስለ ዝወግእዎ ድማ እምብዛ ተጨነቐ።</verse>
				<verse number="4">ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ኸዓ ሳኦል ምሟቱ ምስ ረአየ፥ ንሱ ድማ ናብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።</verse>
				<verse number="8">ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።</verse>
				<verse number="9">ርእሱ ቘሪፆም ከዓ ኣፅዋሩ ገፈፍዎ። ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙሪያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ሰምዑ።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ኣዕፅምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="10">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመለሰ። ኣብ ፂቅላግ ከዓ ኽልተ መዓልቲ ገበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ እንሆ፥ ካብቲ ሳኦል ምስ ሓሻኽሩ ሰፊርዎ ዝነበረ ቦታ፥ ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ብሓዘን ቀዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ናብ ዳዊት መፀ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡውን ሰገደ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ከዓ “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ኻብ ሰፈር እስራኤል ሃዲመ ዘምለጥኩ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ድማ “እቲ ኹነታት ከመይ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ሰራዊት ካብቲ ውግእ ሃዲሙ፥ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ተወጊኦም ሞይቶም፤ ሳኦልን ዮናታን ወዱንውን ሞይቶም” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ “ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈሊጥካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።</verse>
				<verse number="7">ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።</verse>
				<verse number="8">“ንሱ ኸዓ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘ኣማሌቃዊ እየ’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="9">“ንሱ ኸዓ፥ ‘ትንፋሰይ እኳ እንተ ዘይወፀት ኣብ ኣፍ ሞት እየ ዘለኹ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ ቕተለኒ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="10">“ኣነ ኸዓ፥ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፥ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልፅሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፤ እንሆ ኸዓ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣምፃእኽዎ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ውግእ ስለ ዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን ሓዘኑሎምን በኸዩሎምን፤ ክሳዕ ምሸትውን ፆሙ።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፥ “ኣታ፥ ካበይ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ወዲ ሓደ ስደተኛ ኣማሌቃዊ እየ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ድማ “ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኽትቀትል፥ ኢድካ እንትትዝርግሕ ከመይ ዘይፈራሕኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጓብዙ ፀዊዑ፥ ናብኡ ቕረብሞ ውደቖ በሎ፤ ንሱውን ወቕዖሞ ሞተ።</verse>
				<verse number="16">“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዝ መልቀስ እዙይ ኣልቀሰሎም።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ይሁዳ ኸዓ ነዝ መልቀስ እዙይ ከፅንዕዎ ኣዘዘ። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">“ኦ እስራኤል! ክቡራትካ ኣብ እምባታትካ ተቐተሉ፤ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ወደቑ!</verse>
				<verse number="20">ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፥ ኣዋልድ እቶም ዘይግሩዛት ደስ ከይብለንስ፥ እዙይ ኣብ ጌት ኣይነገር፤ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎናውን ኣይወረ።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።</verse>
				<verse number="22">ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፥ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣይትፈልጥን። ሰይፊ ሳኦልውን ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ጥራዩ ተመሊሱ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="23">ሳኦልን ዮናታንን ዝፋተዉን ዝተሓባበሩን ነበሩ፤ ኣብ ህይወቶምን፥ ኣብ ሞቶምን ኣይተፈላለዩን፤ ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ኣትን ኣዋልድ እስራኤል! ነቲ ዘሐጕስ ቀይሕ ግምጃ ዘልብሰክን ዝነበረ፥ ክዳውንትኽንውን ብወርቂ ዘቦ ንዝሸለመ ንሳኦል ብኸያሉ።</verse>
				<verse number="25">ከመይ እዞም ጀጋኑ ኣብ ማእኸል ውግእ ወደቑ! ዮናታን ኣብ እምባታት ሞተ።</verse>
				<verse number="26">ኦ ዮናታን ሓወይ! ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፥ ብኣኻ እሓዝን ኣለኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ የመና ፍሉይ ነበረ፤ ፍቕርኻ ንኣይ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ዝበልፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ከመይ እዞም ጀጋኑ ወደቑ! ኣፅዋር ውግእኸ ኸመይ ከንቱ ኾኑ!”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ዳዊትን ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን፥ ኮይኖም ናብ ኬብሮን ደየቡ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="4">ሰብ ይሁዳ ድማ መፂኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኽነግስ ኣብ ኬብሮን ቀብእዎ። ሽዑ “ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ እዮም” ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ልኡኻት ሰዲዱ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባርኩም ሰናይ ጌርኩምሉ ኢኹም እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ርህራሀን ሓቅን ይግበረልኩም። ኣነ ድማ እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርኩም ሰናይ ክገብረልኩም እየ።</verse>
				<verse number="7">ሕዚ እውን ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩሞ፥ ኢድኩም ትፅናዕ ንስኻትኩምውን ሓያላት ኩኑ፤ ንኣይ ከዓ ንጉሶም ክኸውን ቤት ይሁዳ ቐቢኦሙኒ ኣለዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።</verse>
				<verse number="10">ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከዓ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ደድሕሪ ዳዊት ሰዓበት።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።</verse>
				<verse number="12">ኣበኔር ወዲ ኔርን ኣገልገልቲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ድማ ኻብ ማሓናይም ናብ ገባዖን ወፁ።</verse>
				<verse number="13">ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ፥ “እዞም መናእሰይ ይተስኡ እሞ፥ ኣብ ቅድሜና ይዋግኡ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይዋግኡ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኻብ ብንያምን ካብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ዓሰርተ ኽልተ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ተቘፀሩ እሞ ተስኡ።</verse>
				<verse number="16">ነፍሲ ወከፍ ርእሲ መጋጥምቱ ኣፅኒዑ ሒዙ ሰይፊ ኣብ ጐድኒ መጋጥምቱ ሸኸለ፤ ተተሓሒዞም ከዓ ብሓደ ወደቑ። ስለዙይ እታ ቦታ ግራት ስሕለታም ሰይፊ ተብሃለት። ንሳ ድማ ኣብ ገባዖን ትርከብ።</verse>
				<verse number="17">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ የመና በርትዐ፤ ኣበኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከዓ ብኣገልገልቲ ዳዊት ተስዓሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ኣሳሄል ንየማን ወይ ንፀጋም እንተየግለሰ ንኣበኔር ከርክቦ ብጕያ ሰዓቦ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኣበኔር ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻ ኣሳሄል ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="21">ኣበኔር ድማ “ንየማንካ ወይ ንፀጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፥ ንሓደ ኻብዞም መናእሰይ ሒዝካ ኣፅዋሩ ግፈፎ” በሎ። ኣሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከየግልስ እምቢ በለ።</verse>
				<verse number="22">ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ኣግልስ! ምስ ምድሪ ከየጣብቐካስ ኣይትስዓበኒ። ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ክርኢ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ብንያም ድማ ኣብቲ ኣበኔር ዘለዎ ቦታ ተኣኪቦም ሓደ ጭፍራ ኾይኖም፥ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዀረብታ ቖሙ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ኣታ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእዶ ኣሎ እዩ? ንሓዋሩ መሪር ፅልኢ ኸም ዝሓድገልናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ህዝብኻ ንኣና ነሕዋቶም ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘሳጕጉና? ኽምለሱኸ ኣይትእዝዞምን ዲኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ኢዮኣብ ከዓ “ብህያው ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብስ እዞም ህዝቢ፥ ንኣኻትኩም ነሕዋቶም ካብ ምስጓጕ ቕድሚ ፅባሕ ንግሆ ኣይምተመለሱን ነይሮም” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ኢዮኣብ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ። ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣየሳጐጉዎምን፥ እቲ ውግእ ድማ ደው በለ።</verse>
				<verse number="29">ኣበኔርን እቶም ሰባቱን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብምልእታ ብጐልጐል ዮርዳኖስ ክይድ ሓዲሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ንዅላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።</verse>
				<verse number="30">ኢዮኣብ ከዓ ንኣበኔር ካብ ምስጓጕ ተመለሰ፤ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰብኡትን ኣሳሄልን ጐደሉ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ግና ኻብ ብንያምን ካብ ናይ ኣበኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ።</verse>
				<verse number="32">ንኣሳሄል ድማ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ኢዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፥ ክወግሕ እንተሎ ኣብ ኬብሮን በፅሑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ነበረ። ቤት ዳዊት እናበርትዐ ኸደ፤ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመ ከደ።</verse>
				<verse number="2">ንዳዊት ኣብ ኬብሮን እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦ በዅሩ ኻብ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወለደ ኣምኖን፤</verse>
				<verse number="3">ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤</verse>
				<verse number="4">ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤</verse>
				<verse number="5">ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።</verse>
				<verse number="6">በቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣበኔር ኣብ ቤት ሳኦል እናሓየለ ኸደ።</verse>
				<verse number="7">ሳኦል ሪፅጳ ዝስማ ጓል ኣያ፥ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣተኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፥ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፥ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ከም ዝቐውም እንተ ዘይገይረ፥ ኣምላኽ ንኣይ ንኣበኔር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በለ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኢያቡስቴ ንኣበኔር ስለ ዝፈርሖ፥ ሓንቲ እኳ ኽዛረቦ ኣይደፈረን።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኣበኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ “እዛ ሃገር ናይ መን ድያ? ኪዳን እተወለይ እሞ፥ ብምልእታ እስራኤል ናባኻ ኽትምለስ ክሕግዘካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እኣቱ። እንተ ኾነ ኻባኻ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸዓ ናባይ ክትመፅእ እንተለኻ ንሜልኮል ጓል ሳኦል ተማሊእኻያ እንተ ዘይመፂእኻ ገፀይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ድማ ናብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ “እታ ብሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን ዝተመርዓኽዋ ሰበይተይ ሜልኮል ምለሰለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።</verse>
				<verse number="15">ኢያቡስቴ ከዓ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ወሰዳ።</verse>
				<verse number="16">ሰብኣያውን ምሳኣ ኸደ፤ ክሳዕ ባሑሪምውን እናበኸየ ሰዓባ። ሽዑ ኣበኔር “ኪድ ተመለስ” በሎ። ንሱውን ተመለሰ።</verse>
				<verse number="17">ኣበኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="19">ንነገድ ብንያምውን ተዛረቦም። እቲ ንዅሉ እስራኤልን ንዅላ ቤት ብንያምን ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮም፥ ንዳዊት ክነግሮ ናብ ኬብሮን ከደ።</verse>
				<verse number="20">ኣበኔር ዕስራ ሰብ ምስኡ ተማሊኡ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መፀ። ዳዊት ድማ ንኣበኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ምሳሕ ገበረሎም።</verse>
				<verse number="21">ኣበኔር ከዓ ንዳዊት “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናባኻ ናብ ጐይታይ ክእክቦም እሞ ምሳኻ ኺዳን ክኣትዉስ ተሲአ ክኸይድ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣበኔር ሰደዶ። ንሱ ድማ ብሰላም ከደ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ ኸዓ ሹመኛታት ዳዊትን ኢዮኣብን ካብ ወራር መፁ፤ ምስኣቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣበኔር ግና ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ከይዱ ነበረ እምበር፥ ኣብ ኬብሮን ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="23">ኢዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣበኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መፂኡ ኸም ዝነበረን፥ ንጉስ ድማ ኣፋንይዎ ብሰላም ከም ዝኸደን፥ ንኢዮኣብ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እዝ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እንሆ ኣበኔር መፂኡካ እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ክኸይድ ዝሰደድካዮ?</verse>
				<verse number="25">ኣበኔር ወዲ ኔር ከታልለካ፥ መውፅኢኻን መእተዊኻን ክፈልጥ፥ ኵሉ እትገብሮውን ከስተብህል ከም ዝመፀዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ኢዮኣብ ሽዑ ኻብ ዳዊት ወፂኡ፥ ደድሕሪ ኣበኔር ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ዒላ ሲራ መለስዎ፤ ዳዊት ግና ነዙይ ኣይፈለጠን ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።</verse>
				<verse number="28">ድሕሪዙይ ከዓ ዳዊት ሰምዐ እሞ “ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣበኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንፁሃት ኢና።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ዅላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፤ ኣብ ቤት ኢዮኣብ ድማ ዝመግል ቍስሊ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ብምርኩስ ዝኸይድ ሓንካስ፥ ብሰይፊ ዝቕተል ወይ ዝበልዖ ዝሰኣነ ጥሙይ ኣይሰኣን” በለ።</verse>
				<verse number="30">(ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።)</verse>
				<verse number="31">ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ንኣበኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፤ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣበኔር ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ፤ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ።</verse>
				<verse number="33">ንጉስ ድማ ንኣበኔር “ኣበኔር እውንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት?</verse>
				<verse number="34">ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፤ ኣእጋርካውን ብመቝሕ ኣይተቐየዳን፤ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመፅቲ ዝወድቕ፥ ከምኡ ዄንካ ወደቕካ” ኢሉ ኣልቀሰሉ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በኸዩሉ።</verse>
				<verse number="35">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዳዊት ገና ቐትሪ እንተሎ “እንጀራ ብላዕ” ኽብልዎ መፁ። ዳዊት ግና፥ “ፀሓይ እንተይዓረበት እንጀራ ኾነ ወይ ካልእ እንተ ጠዓምኩ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግብረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።</verse>
				<verse number="36">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ምስ ፈለጡ ተሓጐሱ፤ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንጉስ ዝገበሮውን ሕጉሳት ነበሩ።</verse>
				<verse number="37">ሞት ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እቲ ህዝብን ኵሉ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="38">ንጉስ ድማ ነቶም ሹመኛታት “ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝሞተዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኹም?</verse>
				<verse number="39">ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፥ ኢዱ ደኸመት፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ደንገፁ።</verse>
				<verse number="2">ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።</verse>
				<verse number="3">እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሬካብን በዓናን ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ መዓልቲ ምስ ቀተረ፥ ኢያቡስቴ ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ እንተሎ፥ ናብ ገዛኡ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="6">እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="7">ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ፥ ወጊኦም ቀተልዎ፤ ርእሱውን ቈረፁ። ርእሱ ሒዞም ድማ ምሉእ ለይቲ ብስንጭሮ ዓረባ ኣቢሎም ከዱ።</verse>
				<verse number="8">ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንበዓና ሓዉን፥ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ “በቲ ንነፍሰይ ካብ ኵሉ መከራ ዘድሓና ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ።</verse>
				<verse number="11">ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ድማ “ቅተልዎም” ኢሉ ንሓሻኽሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንሬካብን ንበዓናን ቀተልዎም፤ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቘራረፅዎም፤ ኣብ ጥቓ ቓላይ ኬብሮን ከዓ ሰቐልዎም። ንርእሲ ኢያቡስቴ ግና ኣብ መቓብር ኣበኔር፥ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ኬብሮን መፂኦም፥ ንዳዊት “እኒሀና፥ ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና፤</verse>
				<verse number="2">ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ንጉስ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ክነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣርብዓ ዓመት ከዓ ነገሰ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንጉስን ሰቡን ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ኢያቡሳውያን ክዋግኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳቶም “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ “ዕውራትን ሓንካሳትን እንተ ዘየውፂእኻ ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ኻብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ብተወሳኺ ኣንስቲ ወሰኑን ካልኦት ኣንስቱን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ተወለዱሉ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ድማ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥</verse>
				<verse number="15">ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥</verse>
				<verse number="16">ኤሊሳማ፥ ኢሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።</verse>
				<verse number="17">ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ከም ዝቐብእዎ ፍልስጥኤማውያን ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዕርዱ ወረደ።</verse>
				<verse number="18">ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ድማ “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ደይብ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ዳዊት ድማ ናብ በኣልፐራሲም መፀ፤ ኣብኣ ኸዓ ወቕዖም እሞ፥ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ እግዚኣብሄር ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በኣልፐራሲም ዝብል ስም ኣውፅአላ።</verse>
				<verse number="21">ጣዖታቶምውን ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ወሰድዎም።</verse>
				<verse number="22">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="23">ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ጠየቐ ድማ፥ ንሱ “ኣይትዋግኣዮም፤ ዘይርካ ብድሕሪኦም ኪዶም፤ ብመንፅር እቲ ሳጋሉ ድኣ ተጋጠሞም እምበር ኣይትደይብ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ድምፂ ሰይፊ ምስ ሰማዕኻ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ቅድሜኻ ወፂኡ ማለት እዩ እሞ፥ ቀልጢፍካ ተዋግኣዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ዳዊት መሊሱ ነቶም ኵሎም ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኡት ኣከቦም።</verse>
				<verse number="2">ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ካብታ ኣብ ኰረብታ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ኣውፅእዎ፥ ኣሕዮ ቐቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዅሉ ዓይነት ቃናታት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጭላትን ብፀናፅልን ብምሉእ ሓይሎም እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ግና፥ እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ የመና ሓዘነ፤ ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝበሃል ዘሎ፥ “ስብራት ዖዛ” ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቤት እቲ ጌታዊ ሰብ ኣብ ኣቢዳራ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣቢዳራን ንዅላ ቤቱን ባረኸ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ።</verse>
				<verse number="14">ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="18">ዳዊት ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቲ ህዝቢ ብስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ባረኾ።</verse>
				<verse number="19">ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጉማድ ስጋን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="20">ዳዊትውን ንቤተሰቡ ኽባርኽ ተመለሰ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ከዓ ንዳዊት ክትቅበሎ ወፂኣ፦ “ከንቱ ዝኾነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፥ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቘናጁ ባሮቱ፥ ዕርቃኑ ብምግላፁ ኸመይ ከበረ!” በለቶ።</verse>
				<verse number="21">ዳዊት ከዓ ንሜልኮል “ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ኵላ ቤቱን ዝሓረየኒ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መራሒ ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን፤ እወ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝሰሓቕ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="22">ገናውን ካብዙይ ንላዕሊ ንርእሰይ ከዋርድ እየ፤ ብዓይንኺ የመና እንተ ተንዓቕኩ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ” በላ።</verse>
				<verse number="23">ሜልኮል ጓል ሳኦል ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኣይወለደትን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ ኣዕረፎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ናታን ከዓ ንንጉስ፥ “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="4">በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="5">“ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ድንኳንን ኣብ መሕደሪን እየ ዝነበርኩ እምበር ኣብ ቤት ኣይነበርኩን።</verse>
				<verse number="7">ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፥ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕስ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፥ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሕቲ ክኾኑ ዝኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ እቶም ዓመፅቲ ኸምቲ ናይ ቀደም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዕርፈካ እየ። “ኣነ ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ።</verse>
				<verse number="15">ግና ኸምቲ ንሳኦል ካብ ቅድሜኻ ኸወግዶ እንተለኹ ፍቕረይ ዘርሓቕኩሉ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ።</verse>
				<verse number="16">ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”</verse>
				<verse number="17">ናታን እዝ ዅሉ ዘረባ እዙይን እዝ ዅሉ ራእይን ንዳዊት ነገሮ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣተወ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕኻንስ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተይ፥ ኣብ ቤት ባርያኻ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር! እዙይስ ሕጊ ሰብ ድዩ?</verse>
				<verse number="20">“ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ፤ ደጊምከ ዳዊት እንታይ ኢሉ ኽዛረበካ እዩ?</verse>
				<verse number="21">ምእንቲ እቲ ቓልካን ከምቲ ፍቓድካን እዝ ዓብዪ ነገርዙይ ገበርካ፤ ንኣይ ንባርያኻ ኸዓ ኣፍለጥካኒ።</verse>
				<verse number="22">“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="24">ንህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ህዝብኻ ክኸውን ሓረኻዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኮንካ።</verse>
				<verse number="25">“ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤተይን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣፅንዓዮ፤ ከምቲ እተዛረብካዮውን ግበር፤</verse>
				<verse number="26">ስምካ ድማ ንዘለኣለም ልዕል ይበል። ሰባት፥ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል እዩ’ ይበሉ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ትፅናዕ።</verse>
				<verse number="27">“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል! ንኣይ ንባርያኻ፥ ‘ኣነ ቤት ክሰርሐልካ እየ’ ኢልካ ገሊፅካለይ ኢኻ፤ ስለዙይ ኣነ ባርያኻ እዝ ፀሎት እዙይ ናባኻ ኸቕርብ ብልበይ ደፈርኩ።</verse>
				<verse number="28">ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፤ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይውን ንኣይ ንባርያኻ ኣተስፈኻኒ።</verse>
				<verse number="29">ሕዚ ድማ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባርኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽነብር ክትባርኾ ፍቓድካ ይኹን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ኣዋረዶምውን፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ድማ ሜቴግ ኣማ ንዝተብሃለት ከተማ ኻብ ኢዶም ኣሕዲጉ ሓዛ።</verse>
				<verse number="2">ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ነቲ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ንሃዳድዔዘር ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባ ሰዓሮ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡውን ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፥ ከተማታት ኣድርኣዛር፥ የመና ብዙሕ ነሃስ ወሰደ።</verse>
				<verse number="9">ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ኣድርኣዛር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፥</verse>
				<verse number="10">ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ።</verse>
				<verse number="11">ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ዳዊት ንኤዶማውያን ስዒሩ ምስ ተመለሰ፤ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ምስ ቀተለ፥ ስሙ ገነነ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤</verse>
				<verse number="17">ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤</verse>
				<verse number="18">በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ሓለቓ እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ፤ ደቂ ዳዊት ከዓ መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ።</verse>
				<verse number="2">ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ሲባ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ናብ ዳዊትውን ፀውዕዎ። ንጉስ ድማ “ሲባ እትበሃል ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታይ፥ ኣነ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ድማ “ምእንቲ እግዚኣብሄር ብርህራሀ ኽከናኸኖስ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብዶ የለን?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ድማ “ኣበይ ኣሎ?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “እንሆ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣብ ሎዶባር ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ሎዶባር ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="6">ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ። ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንጉስ ዳዊት ንሲባ ኣገልጋሊ ሳኦል ፀዊዑ “ናይ ሳኦልን ናይ ኵላ ቤቱን ዝኾነ ዅሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።</verse>
				<verse number="11">ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ።</verse>
				<verse number="13">ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ድማ፥ ንሓኖን ወዲ ናዖስ “ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ሰናይ ዝገበረለይ፥ ንእኡ ሰናይ ክገብረሉ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ብሓሽከሩ ገይሩውን ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ልኡኻት ዳዊት ከዓ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ኣተዉ።</verse>
				<verse number="3">እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ንጐይታኦም ሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካዶ ይመስለካ ኣሎ? ዳዊትስ ነዛ ኸተማ ኽዕዘባን ክስልያን ከጥፍኣንዶ ኣይኮነን ሓሻኽሩ ሰዲዱልካ ዘሎ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="5">እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክራኸብዎም ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከዓ “እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ምስ በቘለ ኸዓ ትምለሱ” ኢሉ ለኣኸሎም።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="8">ደቂ ኣሞን ከዓ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ሶባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኢዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ንውግእ ከም ዝተሰለፉ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ካብ ኵሎም ጀጋኑ እስራኤል ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ከዓ ኣብ ኢድ ኣቢሳ ሓዉ ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክዋግኡ ኣሰለፎም።</verse>
				<verse number="11">ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ድማ ንሶርያውያን ክዋግእዎም ቀረቡ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ምስ ደቂ ኣሞን ምውጋእ ሓዲጉ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="15">ሶርያውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ብሓደ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="16">ኣድርኣዛር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ሰገር ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣምፅኦም፤ ናብ ኤላምውን መፁ፤ ሶባክ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ነበረ። መሪሕዎምውን ናብ ሔላም መፁ።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፥ ናብ ኤላም ከደ፤ ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ምስኡ ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ሶርያውያን ድማ ኻብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛታትን ቀተለ፤ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ንኣድርኣዛር ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ እስራኤል ተዓሪቖም ንኣኣቶም ተገዝኡ፤ ገበሩሎምውን። ሶርያውያን ከዓ ድሕሪዙይ ፈሪሖም ንደቂ ኣሞን ኣይረድእዎምን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ኣምፅኣ፤ ናብኡውን ኣተወት፤ ካብ ፅጌኣ ዝነፅሀትሉ ጊዜ ነበረ እሞ፥ ምስ ተራኸባ ናብ ቤታ ተመለሰት፤ ጠነሰትውን።</verse>
				<verse number="5">ናብ ዳዊት ድማ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ለኣኸትሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ዳዊት “ንኦርዮ ኬጢያዊ ስደደለይ” ኢሉ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ከዓ ንኦርዮ ናብ ዳዊት ሰደዶ።</verse>
				<verse number="7">ኦርዮ ናብኡ ምስ መፀ ድማ ዳዊት፥ ሃለዋት ኢዮኣብን እቶም ሰራዊት ከመይ ከም ዘለዉን ኵነታት እቲ ውግእን ጠየቖ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ።</verse>
				<verse number="9">ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ደቀሰ እምበር ናብ ቤቱ ኣይወረደን።</verse>
				<verse number="10">ንዳዊት “ኦርዮ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፥ ዳዊት ንኦርዮ “ንስኻ ኻብ በረኻ መፂእኻ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ናብ ገዛኻ ዘይኸድካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “ሎሚውን እምበኣር ኣብዙይ ፅናሕሞ፥ ፅባሕ ኽሰደካ እየ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣን ብፅባሒታን ኣብ ኢየሩሳሌም ፀንሐ።</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ንኦርዮ ፀውዖሞ፥ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፤ ክሳዕ ዝሰክርውን ኣስተዮ። ምስ መሰየ ግና ምስቶም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ መንፀፉ ደቀሰ፤ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን።</verse>
				<verse number="14">ንፅባሒቱ ንግሆ ድማ ዳዊት ንኢዮኣብ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ብኢድ ኦርዮ ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="15">ኣብታ መልእኽቲ ኸዓ “ንኦርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ፥ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ፥ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውት ከዓ ሓዲግኩምዎ ህደሙ” ኢሉ ፀሓፈ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣብ ድማ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፥ ንኦርዮ ናብታ ብርቱዓት ተዋጋእቲ ፀላኢ ኣለዉዋ ኣብ ዝበላ ቦታ ኣሰለፎ።</verse>
				<verse number="17">ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ወፂኦም ንኢዮኣብ ተዋግእዎ። ካብ ሰራዊት ዳዊት ድማ ውሑዳት ወደቑ፤ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊውን ኣብኡ ሞተ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኢዮኣብ ብዛዕባ ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንዳዊት ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ልኡኽ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእኻ፥</verse>
				<verse number="20">ንጉስ ኰርዩ ‘ስለ ምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም? ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ቀስቲ ኸም ዝውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="21">እቲ ኣብ ቴቤፅ ዝሞተ ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ድዩ ዝቐተሎ? ሰበይቲዶ ኣይኮነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም?’ እንተበለካ፥ ሽዑ ንስኻ፦ ‘ኣገልጋሊኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ኸዓ ሞይቱ’ በሎ።”</verse>
				<verse number="22">እቲ ልኡኽ ድማ ኸይዱ ዅሉ እቲ ኢዮኣብ ዝለኣኾ ንዳዊት ነገሮ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት “እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ ሜዳ ወፁ፤ ንሕና ኸዓ ኽሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ወርወርቲ ድማ ንኣገልገልትኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ቀስቲ ወርወሩሎም፤ ካብቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ከዓ ሞቱ፤ ኣገልጋሊኻ ኦርዮ፥ እቲ ኬጢያዊ፥ ድማ ሞይቱ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ “ንኢዮኣብ ‘ኲናት ሓንሳእ ነዙይ፥ ሓንሳእ ከዓ ነቱይ እዩ ዘጥፍእ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣየጨንቕካ፤ ነታ ኸተማ ኣፅኒዕኻ ተዋግኣያ፤ ኣፍርሳውን’ ኢልካ ኣተባብዓዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ሰበይቲ ኦርዮ ኸዓ፥ ኦርዮ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ንሰብኣያ በኸየትሉ።</verse>
				<verse number="27">መዋእል ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፥ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸዓ ኾነት፤ ወዲውን ወለደትሉ። ግና እዝ ዅሉ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ። እቲ ሓደ ሃብታም ነበረ፤ እቲ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ሃብታም እምብዛ ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ነበራኦ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።</verse>
				<verse number="4">“ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ።</verse>
				<verse number="6">እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረን፥ ርህራሀውን ስለ ዘይነበሮን፥ ክንዲ እታ ዝወሰዳ በጊዕ ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ናታን ንዳዊት “እቲ ሰብኣይ እቱይ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኹኻ፤ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ።</verse>
				<verse number="8">መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።</verse>
				<verse number="9">ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ዝኾነ ኽትገብር ቃለይ ዝነዓቕካ? ነቲ ኬጢያዊ ኦርዮ ብሰይፊ ቐቲልካስ፥ ንሰበይቱ ንኣኻ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ። ንእኡ ኸዓ ብሰይፊ ደቂ ኣሞን ቀተልካዮ።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር ስለ ዝነዓቕካኒ፥ ንሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፥ ካብ ገዛኻ ሰይፊ ኣይርሕቕን እዩ።’</verse>
				<verse number="11">“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፥ ኣነ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ፀሓይን ክገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ናታን ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ፥ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ከቢድ ሕማምውን ሓሚሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸዓ፥ ተልዒሎም ካብ መሬት ከተስእዎ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። ንሱ ግና ኣበየ፤ ምስኣቶምውን እንጀራ ኣይበልዐን።</verse>
				<verse number="18">በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እቲ ህፃን ሞተ፤ እቶም ሹመኛታት ዳዊት ከዓ “እንሆ፥ እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ‘እቲ ህፃን ሞይቱ’ ኽንብሎ ኢና? ኣብ ባዕሉ ጕድኣት እንተብፅሐኸ?” በሉ። ስለዙይ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ግና እቶም ሹመኛታቱ ንስንሳቶም ሕሹዅሹዅ እንትብሉ ምስ ረአየ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ፈለጠ። ዳዊት ከዓ ነቶም ሹመኛታቱ “እቲ ህፃንዶ ሞይቱ እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ሞይቱ”። በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ዳዊት ካብ መሬት ተሲኡ፥ ተሓፂቡን ተቐቢኡን፥ ክዳውንቱ ለወጠ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸዓ ሰገደ። ናብ ቤቱ መፂኡውን ዝብላዕ ኣዘዘ፤ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ እቶም ሓሻኽሩ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ምእንታኡ ፆምካን በኸኻን፤ እቲ ህፃን ምስ ሞተ ግና ተሲእካ እንጀራ በሊዕኻ” በልዎ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ኸዓ “መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒሞ፥ እቲ ህፃን ድማ እንተ ሓወየ፥ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፥ እቲ ህፃን ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ፆምኩን በኸኹን።</verse>
				<verse number="23">ሕዚ ግና ሞይቱ እዩ፤ ንምንታይ ኢለ ደኣ ኽፀውም? ደጊምዶ ኽመልሶ ይከኣለኒ እዩ? ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፥ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ቤርሳቤህ ኣፀናንዓ፤ ናብኣውን ኣተወ፤ ምስኣ ድማ ደቀሰ፤ ወዲ ኸዓ ወለደት፤ ስሙውን ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፤ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ።</verse>
				<verse number="25">ብነቢይ ናታን ልኢኹ ምእንቲ እግዚኣብሄር፥ ይዲድያ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="26">ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ራሞት ምስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ነታ ርእሲ ኸተማ ንጉስ ሓዛ።</verse>
				<verse number="27">ኢዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፥ “ንረባት ተዋጊአያ፤ ንማይ እታ ኸተማውን ሒዘዮ።</verse>
				<verse number="28">ሕዚ ኸዓ፥ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ ብስመይ ከይትፅዋዕስ፥ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኽቲትካ ኽበባሞ ሓዛ” ኢሉ ልኡካት ለአኸ።</verse>
				<verse number="29">ዳዊት ከዓ ንዅሉ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ረባት ኸደ እሞ፥ ተዋጊኡ ሓዛ።</verse>
				<verse number="30">ንዘውዲ ንጉሶም ከዓ ኻብ ርእሱ ወሰዶ፤ ሚዛኑ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ክቡር ኣዕናቝውን ነበሮ፤ ዳዊት ድማ ኣብ ርእሱ ገበሮ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ።</verse>
				<verse number="31">ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ።</verse>
				<verse number="2">ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ።</verse>
				<verse number="3">ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ድማ “ወዲ ንጉስ እንተለኻስ፥ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኴንካ እትዓብር እንታይ ኴንካ ኢኻ? እስኪ ንገረኒ?” በሎ። ኣምኖን ከዓ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ሓፍቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ሒዙኒ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ክሪኦ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣምኖን ንንጉስ “በይዛኻ፥ ትእማር ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዐንስ ስደደለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ድማ ዳዊት “በይዛኺ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ” ኢሉ ናብ ገዛ ትእማር መልእኽተኛታት ለአኸ።</verse>
				<verse number="8">ትእማር ከዓ ናብ እንዳ ኣምኖን ሓዋ ኸደት፤ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸዓ ብሑቝ ወሲዳ ለዊሳ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕጫታት ሰንከተት። ምስ በሰለ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="9">ካብቲ መቝሎ ኣውፂኣ ቐረበትሉ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ “ንዅሉ ሰብ ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ኵሉ ሰብ ከዓ ኻብኡ ወፀ።</verse>
				<verse number="10">ኣምኖን ድማ ንትእማር “ብኢድኪ ኽበልዕስ ነቲ ብልዒ ናብ ሕልፍኚ ኣእትዊዮ” በላ። ትእማር ከዓ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ።</verse>
				<verse number="11">ክበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ሒዙ “ሓፍተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ።</verse>
				<verse number="12">ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን ሓወይ፥ ኣይተነውረኒ፤ ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዝ ነውሪ እዙይስ ኣይትግበሮ።</verse>
				<verse number="13">ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ? ነዝ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ? ንስኻኸ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ነውራማትዶ ኽትከውን ኢኻ? ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንንጉስ ንገሮ ንኣይ ክትምርዐወኒ ኣይኸልአካን እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ግና ዘረባኣ ኽሰምዕ ኣይደለየን፤ ካብኣ ዝሕይል ስለ ዝነበረ ዓመፃ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪዙይ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ የመና ፀልኣ። “ተስኢ፤ ኪዲ” ድማ በላ።</verse>
				<verse number="16">ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን፤ ካብቲ ቕድም ዝገበርካዮ በደል ነኣይ ብምውፃእኻ ሕዚ ዝገደደ በደል ትሰርሕ ኣላኻ” በለቶ። ንሱ ግና ኽሰምዓ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ዘገልግሎ ሓሽከሩ ፀዊዑ ድማ “በይዛኻ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ኻብ ቅድመይ ንደገ ኣውፅአለይ፤ ነቲ ማዕፆ ኸዓ ዕፀዎ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቲ ኣገልጋሊ ንደገ ኣውፅኣ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ብድሕሪኣ ዓፀዎ። ትእማር ከዓ ኸምቲ ኣዋልድ ንጉስ ደናግል እንተለዋ ዝኽደናኦ ዝነበራ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ተኸዲና ነበረት።</verse>
				<verse number="19">ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት።</verse>
				<verse number="20">ኣቤሴሎም ሓዋ ኸዓ “ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ? ሓፍተይ፥ ሕዚ ስቕ በሊ፤ ንሱ ሓውኪ እዩ፤ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልብኺ ኣይትዕቘርዮ” በላ። ትእማር ድማ ብጕህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ንበይና ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ዳዊት ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጥዐ፤ ግና በኵሪ ወዱ ነበረሞ ስለ ዝፈትዎ ንነፍሲ ኣምኖን ወዱ ኣየሕዘነን።</verse>
				<verse number="22">ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።</verse>
				<verse number="23">ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ኣቤሴሎም ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በቤላሶር ፀጕሪ ኣባጊዑ የቝርፅ ነበረ። ንዅሎም ደቂ ንጉስ ከዓ ናብኡ ዓደሞም።</verse>
				<verse number="24">ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መፂኡ “እንሆ ፀጕሪ ኣባጊዕ ኣቝርፅ ኣለኹ እሞ፥ ንጉስን ሓሻኽሩን ምሳይ ምስ ሓሽከርካ ይኺዱ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ንጉስ ከዓ ንኣቤሴሎም “ኣይፋልካን ወደይ፤ ከይንኸብደካስ ኵላትናስ ኣይንመፅእን ኢና” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ግዲ በሎ። ንጉስ ግና መረቖ ደኣ እምበር፥ ክኸይድ ኣይፈተወን።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ኣቤሴሎም “እዙይ እንተ ደኣ ዘይኸውን ኮይኑስ፥ እምበኣር በይዛኻ፥ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ። ንጉስ ድማ፥ “ስለ ምንታይ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ?” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ኣቤሴሎም ግና ኣፅኒዑ ለመኖ፤ ሽዑ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ክኸዱ ፈቐደ። ኣቤሴሎም ንደቂ ንጉስ ዝግባእ ምሳሕ ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="28">ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ሓሻኽር ኣቤሴሎም ድማ ኸምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ንኣምኖን ቀተልዎ። ሽዑ ዅሎም እቶም ደቂ ንጉስ ተሲኦም፥ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="30">ገና ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ንዳዊት “ኣቤሴሎም ሓደ እኳ እንተየትረፈ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም” ዝብል ወረ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="32">ኢዮናዳብ፥ ወዲ ሳምዓ ሓው ዳዊት ግና፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ጐይታይ፥ ኵሎም እቶም ኣጕባዝ ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ። እዙይ ከዓ ኻብታ ኣምኖን ንሓፍቱ ትእማር ዘነወረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣቤሴሎም ዝሃቀኖ ነገር እዩ።</verse>
				<verse number="33">እምበኣርከስ፥ ሕዚ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ሞይቱ እምበር ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም’ ኢልካ ነዝ ነገር እዙይ ኣይትእመን፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ኣቤሴሎም ግና ሃደመ። እቲ ዝሕሉ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቘላሕ እንተ ኣበለ፥ እንሆ፥ በታ ብድሕሪኡ ብወገን ኰረብታ ዘላ መንገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኽመፅእ ረአየ። እቲ ሓላዊ ኸዓ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንሆ ብፀግዒ እቲ ዀረብታ፥ በታ ናብ ሖርናይም እተእቱ መንገዲ ሰባት ይመፁ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="35">ኢዮናዳብ ከዓ ንንጉስ “ከምቲ ኣገልጋሊኻ ዝበልኩኻ ኾይኑ፤ ደቂ ንጉስስ እኒሀዉ ይመፁ ኣለዉ” በሎ።</verse>
				<verse number="36">ዘረባኡ ምስ ወድአ፥ እንሆ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፤ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከዓ በኸዩ። ንጉስን ኵሎም ሓሻኽሩንውን የመና ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።</verse>
				<verse number="37">ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ፥ ናብ ታልማይ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከዓ ንወዱ ኣምኖን ኵልሻዕ ይበኽየሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="38">ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፤ ኣብኣውን ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="39">ንጉስ ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ ዝተፀናንዐ፥ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ናፈቐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ።</verse>
				<verse number="3">ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ።</verse>
				<verse number="4">እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ከዓ “እንታይ ኴንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ድማ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ ኸዓ፥ ንኣይ ንገረድካ ዅሎም ዓሌቱ ተሲኦም ‘ነዝ ቐታሊ ሓዉ፥ ክንዲ እቲ ዝቐተሎ ሓዉ፥ ክንቀትሎ፥ ነቲ ወራሲ ኸዓ ኽነጥፍኦ ሃብና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ከምኡ እንድሕር ገይሮም ነቲ ወራሲ ኽቐትልዎ እዮም፤ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ተስፋ ድማ ኸጥፍእዎ እዮም። ንሰብኣየይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስም ኮነ ሓድጊ ኣየሓድጉሉን እዮም” በለቶ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “ንገዛኺ ኺዲ፤ ኣነ ድማ ብዛዕባ ነገርኪ ኽእዝዝ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="9">እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ኸዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ! እቲ በደል ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፤ ንጉስ ምስ ዙፋኑ ግና ንፁህ ይኹን” በለቶ።</verse>
				<verse number="10">ንጉስ ድማ “ነቲ ዝዛረበኪ ናባይ ኣምፅእዮ፤ መሊሱ ኸዓ ኣይነኽአክን እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="11">ንሳ ድማ “በይዛኻ፥ እቲ ፈዳዪ ደም ጥፍኣት ከየብፅሕ እሞ ንወደይ ከይቐትሎስ፥ ንጉስ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቃል እተወለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካብ ወድኺ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በላ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እታ ሰበይቲ “በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ክዛረበካ” በለቶ። ንጉስ ከዓ “ተዛረቢ” በላ።</verse>
				<verse number="13">እታ ሰበይቲ ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከምዙይ ሓሰብካሉ? ንጉስ ነቲ ኻብኡ ዝተሰጐ ዘይመለሶስ፥ እዝ ነገር እዙይ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና እሞ፥ ግድን ክንመውት ኢና። ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ነፍሲ ኣይፈቱን እዩ። ግናኸ እቲ ዝተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣፀቢቑ ይሓስብ እዩ።</verse>
				<verse number="15">“ሕዚ ኸዓ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሐኒ፥ ነዝ ነገር እዙይ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረቦ ኢለ መፃእኹ። ኣነ ገረድካ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፤ ንጉስ ድማ ንዘረባ ገረዱ ምናልባሽ ይፍፅሞ ይኸውን።</verse>
				<verse number="16">ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ከጥፍአና ዝደሊ ዘሎ ሰብኣይ፥ ንጉስ የድሕነና እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ።</verse>
				<verse number="17">“ከምኡውን ‘ጐይታይ ንጉስ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ፅቡቕን ክፉእን ፈሊኻ እትፈልጥ ኢኻሞ፥ ቃልካ ኸዕርፈኒ እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን” በልኩ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “በይዛኺ፥ እዝ ኣነ ዝጥይቐኪ ነገር ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ተዛረብ ደኣ” በለት።</verse>
				<verse number="19">እቲ ንጉስ ድማ “ኣብዝ ዅሉ እትብልዮ ዘለኽስ ኢድ ኢዮኣብዶ ኣለዎ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ፤ ካብቲ ዅሉ ንስኻ እትዛረቦ ሓደ እኳ ንየማን ኮነ ንፀጋም ዘብል የለን። እወ፥ ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እዩ ዝነገረኒ። እዝ ዅሉ ዝበልኩኻውን ንሱ ዝኣዘዘኒ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እቲ ነገር ምእንቲ ኽቃናዕ እዙይ ገበረ። ጐይታይ ከዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ኵሉ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጥበበኛ ኢኻ” ኢላ መለሰትሉ።</verse>
				<verse number="21">ድሕሪዙይ ንጉስ ንኢዮኣብ “እንሆ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽገብር እየ እሞ ኺድ፤ ነቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢዮኣብ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፤ ንንጉስ ከዓ መረቖ። “ጐይታይ ንጉስ፥ ዘረባይ ዘረባ ሓሽከርካ ብምትግባርካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ሎሚ ፈለጥኩ” በለ።</verse>
				<verse number="23">ኢዮኣብ ከዓ ናብ ጌሹር ከደ፤ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ከዓ “ናብ ቤቱ ይኺድ፤ ገፀይ ግና ኣይርአ” በለ። ስለዙይ ኣቤሴሎም ናብ ቤቱ ኸደ፤ ገፅ ንጉስ ድማ ኣይረአየን።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="26">ፀጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ በብዓመቱ ይቘርፆ ነበረ። ምስ ቘረፆ ድማ ብሚዛን ንጉስ ክልተ ኺሎ ግራም ይምዘን ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ንኣቤሴሎም ሰለስተ ኣወዳትን ትእማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወለዱሉ። ትእማር ትርኢታ የመና ፅብቕቲ ሰበይቲ ነበረት።</verse>
				<verse number="28">ኣቤሴሎም ከዓ፥ ገፅ ንጉስ እንተይረአየ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="29">ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክሰዶ ደልዩ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ግና ናብኡ ምምፃእ ፍቓደኛ ኣይኮነን። መሊሱ ኸዓ ኻልኣይ ጊዜ ለኣኸሉ፤ ንሱ ግና መሊሱ ኣበየ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኣቤሴሎም ንኣገልገልቱ “ስምዑ፥ ኢዮኣብ ኣብ ጥቓ ግራተይ ግራት ስገም ኣላቶ እሞ ኼድኩም ብሓዊ ኣባርዕዋ” በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ከዓ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ኢዮኣብ ተሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መፆ እሞ “ስለ ምንታይ እዩ ኣገልገልትኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="32">ኣቤሴሎም ድማ ንኢዮኣብ፦ “ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መፃእኹ? ንኣይስ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ” ኽትብለለይ ኢለ ልኢኸልካስ ስለ ዘይመፃእኻ እዩ። ሕዚ ኸዓ ምስ ንጉስ ኣራኽበኒ፤ በደል እንተ ተረኺቡኒ ኾይኑ ድማ ይቕተለኒ በሎ።</verse>
				<verse number="33">ኢዮኣብ ከዓ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዝ ነገር እዙይ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ፀውዖ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ኣብ ቅድሚኡ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ።</verse>
				<verse number="3">ኣቤሴሎም ድማ “ረአ፥ ነገርካስ ፅቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፤ ግና ኽንዲ ንጉስ ኮይኑ ኽሰምዐካ ዝተኣዘዘ የለን” ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹሉ መብፅዓ ኣብ ኬብሮን ክፍፅም ክኸይድ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ሓሽከርካ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ እንተለኹ ‘እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ብርግፅ እንተ ደኣ መሊሱኒ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኬብሮን ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂዐ ነይረ እየሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።</verse>
				<verse number="10">ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ምስ ኣቤሴሎም ድማ ኽልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ፤ ንሳቶም ከዓ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ሓደኳ እንተይፈለጡ ብገርህነቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="12">ኣቤሴሎም ድማ ነቲ ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ንበዓል ጊሎ ኣኪጦፌል ኣብ ከተማ ጊሎ መስዋእቲ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፀውዖ። እቲ ሻራ ኸዓ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዘሎ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ።</verse>
				<verse number="13">ሓደ ልኡኽ ናብ ዳዊት መፂኡ ኸዓ፦ “ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ይስዕቡ ኣለዉ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ሹመኛታት ንጉስ ከዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኵሉ ዝደለኻዮ ንምግባር፥ እኒሀና ኣገልገልትኻ ድልዋት ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="16">ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንጉስ ወፀ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ሰዓቦ። ርሕቕ ኢሎም ከዓ ኣብ ሓደ ቦታ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="18">ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቲ ንጉስ ንጌታዊ ኢታይ “ንስኻኸ ስለ ምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣለኻ? ተመለስ፤ ምስ ንጉስ ኣቤሴሎም ድማ ተቐመጥ፤ ንስኻስ ተሰዲድካ ዝመፃእኻ ጓና ኢኻ እሞ፥ ናብ ቦታኻ ተመለስ።</verse>
				<verse number="20">ትማሊ ኢኻ ዝመፃእኻ። ኣነ ንርእሰይ ናብ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፤ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ ኾይነ? ኺድ ደኣ ተመለስ፤ ነሕዋትካውን ምለሶም፤ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ኢታይ ግና ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ! ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ብህይወት ኮነ ብሞት ኣነ ሓሽከርካ ኣብኡ ኸም ዝህሉ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="22">እምበኣር “ኪድ ሕለፍ” በሎ። እቲ ጌታዊ ኢታይን ኵሉ ሰቡን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነብሩ ቘልዑን ድማ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም እቶም ሰዓብቲ ዳዊት ክሓልፉ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ይበኽዩ ነበሩ። ንጉስ ድማ ሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በታ ናብ ምድረ በዳ ኣቢላ እትወስድ መንገዲ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="24">ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንኻህን ሳዶቅ፦ “ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ክመልሰኒ እዩ፤ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኸርእየኒ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ፥ “ንስኻ ረኣዪዶ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፤ ወድኻ ኣሒማዓፅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።</verse>
				<verse number="28">እነሆ፥ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽፀንሕ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="30">ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።</verse>
				<verse number="32">ዳዊት ከዓ ናብ ርእሲ እቲ እምባ፥ ናብታ ንእግዚኣብሄር ዝስገደላ ቦታ ምስ መፀ፥ እንሆ፥ እቲ ኣርካዊ ኵሲ፥ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኽራኸቦ መፀ።</verse>
				<verse number="33">ዳዊት ድማ “ምሳይ እንተ ኼድካ ኽትከብደኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="34">ግና ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፥ ንኣቤሴሎም ከዓ፥ ‘ኦ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ክኸውን እየ፤ ቀደም ኣገልጋሊ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፥ ሕዚ ድማ ሓሽከርካ ክኸውን እየ’ እንተ በልካዮ፥ ሽዑ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኸም ዝኸውን ክትገብረለይ ኢኻ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ካህናት ሳዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻ ኣለዉ። እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕኻዮ ንኣኣቶም ንገሮም።</verse>
				<verse number="36">ክልቲኦም ደቆም፥ ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን፥ ኣብኡ ምስኣቶም ኣለዉ። ኵሉ እትሰምዕዎ ነገር ድማ ብኣኣቶም ጌርኩም ለኣኹለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እንተሎ ኵሲ ፈታዊ ዳዊት ከዓ ኣብኣ በፅሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ዳዊት ካብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሩብ ምስ ሓለፈ፥ እንሆ፥ ሲባ ኣገልጋሊ ሜምፊቦስቴ ክልተ ሚእቲ እንጀራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጎጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓና ኽልተ ኣእዱግ ሒዙ ተራኸቦ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስ ድማ ንሲባ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሲባ ኸዓ፥ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ክቕመጥወን፥ እዝ እንጀራን ፍረታትን ድማ እዞም ሓሻኽር ክበልዕዎ፥ እዝ ወይኒ ኸዓ እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝደኽሙ ዘለዉ ኽሰትይዎ ኢለ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ንጉስ ንሲባ “እንሆ፥ ናይ ሜምፊቦስቴ ዝኾነ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። ሲባ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኢድ እነስእ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ጥራሕ ሞገስ እርከብ” በለ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ፀጋሙ እንተለዉ፥ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ሳሚ ኽረግሞ እንተሎ “ኣታ ናይ ደም ሰብ፥ ከንቱ ዝኾንካ ውፃእ፤ ውፃእ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ድማ ንኣቢሳን ንዅሎም ሹመኛታትን፥ “እንሆ፥ እቲ ኻብ ሕቘይ ዝወፀ ወደይ እኳ ኽቐትለኒ እናደለየስ እዝ ብንያማዊ ግዳ ከመይ ዝገደደ ዘይገብር! ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፥ ይርገም ሕደግዎ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ዳዊትን ሰቡን ብመንገዳ መንገዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ሳሚ ኸዓ ኣብ መንፅሩ ብጎቦ እቲ ዀረብታ ኣቢሉ እናኸደ እንተሎ ይረግሞ፥ እምኒውን ይድርብየሉ፥ ሓመድ ከዓ የብንነሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ድማ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ በፅሑ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣዕረፉ።</verse>
				<verse number="15">ኣቤሴሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ፤ ኣኪጦፌልውን ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኵሲ በዓል ኣርኪ፥ ፈታዊ ዳዊት፥ ናብ ኣቤሴሎም ከይዱ፥ ንኣቤሴሎም “ንጉስ ህያው ኩን፥ ንጉስ ህያው ኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ኣቤሴሎም ከዓ ንኵሲ “እቲ ንፈታዊኻ ዘለካ ፍቕሪ እዙይ ድዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ኵሲ ድማ ንኣቤሴሎም “ኣይፋለይን፤ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዝ ህዝቢ እዙይን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ፤ ምስኡ ኸዓ እነብር።</verse>
				<verse number="19">መሊሱውን፥ ንመን ድየ ኸገልግል ዘለኒ? ንኣኻ ንወዱዶ ኣይኮነን? ከምቲ ነቦኻ ዘገልገልክዎ ንኣኻ ድማ ኸገልግለካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣቤሴሎም ድማ ንኣኪጦፌል “እንታይ ንግበር? እስኪ ምኸሩ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ኣኪጦፌል ከዓ ንኣቤሴሎም “ምስተን ቤት ንጉስ ክሕልዋ ዝሓደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ ተራኸብ። ኵሉ እስራኤል ድማ ነቦኻ ኸም ዘዋረድካ ኽሰምዕ እዩ፤ ሽዑ ዅሎም እቶም ምሳኻ ዘለዉ ክተብዑ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ዅሉ እስራኤል እናረአየ፥ ናብተን ዕቁባት ኣቦኡ ኣተወ።</verse>
				<verse number="23">በቲ ጊዜ እቱይ ኣኪጦፌል ዝመኽሮ ምኽሪ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ምስ ዳዊትን ምስ ኣቤሴሎምን ከዓ ኸምዙይ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኣኪጦፌል ድማ ንኣቤሴሎም “በይዛኻ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት መሪፀ ተሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ ፍቐደለይ።</verse>
				<verse number="2">ተዳኺሙን ለሽ ኢሉን እንተሎ፥ ሓደጋ ኣውዲቐ ኸደንግፆ እየ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ኸዓ ኽሃድም እዩ። ንንጉስ በይኑ ቐቲለ፥</verse>
				<verse number="3">መርዓት ናብ ሰብኣያ ኸም እትምለስ፥ ንዅሉ ህዝቢ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ምስ ሞተ፥ ኵሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ።</verse>
				<verse number="5">ኣቤሴሎም ግና “እስኪ ንኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ፀውዕዎ፤ ንሱ ዝብሎ ድማ ኽንሰምዕ” በለ።</verse>
				<verse number="6">ኵሲ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል ከምዙይ ዝበለ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ፤ ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር ይግባእ እዩ? እንተ ዘይኮይኑ ግና ንስኻ ንገረና” ኢሉ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="7">ኵሲ ኸዓ ንኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል በዝ ጊዜ እዙይ ዝመኸሮ ምኽሪ ፅቡቕ ኣይኮነን” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ኵሲ ድማ መሊሱ፥ “ኣቦኻን እቶም ጀጋኑ ሰቡን ኣብ በረኻ፥ ዀራኹራ ኸም ዘግደፍዋ ሓራስ ድቢ ኸም ዝኾኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ። ምስ ሰራዊቱ ኸዓ ኣይሓድርን።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ እኳ ኣብ ሓደ በዓቲ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሓቢኡ ይህሉ ይኸውን። ብመጀመርታ ንሱ እንተ ደኣ ተዋጊኡኩም፥ እቲ ዝሰምዐ ዅሉ ህዝቢ ‘እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተስዒሩ እዩ’ ኽብል እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝኾነ፥ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸዓ ሓያላት ምዃኖም ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ሽዑ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈፂሙ ልቡ ኽመክኽ እዩ።”</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፥ ኣብታ ዝርከበላ ቦታ ሓደጋ ነውድቐሉ። ንእኡን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከዓ ሓደ እንተየትረፍና ንቐትሎም።</verse>
				<verse number="13">ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ ሽዑ ዅሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ገመድ የምፅእ፤ ንእሽተይ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ናብ ውሽጢ ሩባ ኽንስሕባ ኢና።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኵሲ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ “ኣኪጦፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዙይ ኢሉ መኸሮም፤ ኣነውን ከምዙይ ኢለ መኸርኩ።</verse>
				<verse number="16">እምበኣር ሕዚ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሓጡ ‘ዝገበርካ ጌርካ ቐልጢፍካ ተሳገር እምበር፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት ምድረ በዳ ኣይትሕደር’ ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ዮናታንን ኣኪማኣስን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ተሪፎም ነበሩ፤ ምእንቲ ኸይረኣዩ ተገሊፆም ናብ ከተማ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፤ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="18">ግና ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፥ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ። ኣብ ብራቂም ምስ በፅሑ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ መረባኡ ዒላ ስለ ዝነበረቶ ድማ ናብኣ ወረዱ።</verse>
				<verse number="19">እታ ሰበይቱ ኸዓ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይሪኦም፥ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣፍ እታ ዒላ ዘርግሐት፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ፍፁሕ ስገም ኣስጠሐት እሞ፥ ነገሩ ኸም ዘይፍለጥ ኮነ።</verse>
				<verse number="20">ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ምስ ከዱ፥ ኣኪማኣስን ዮናታንን ድማ ኻብታ ዒላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ “ኣኪጦፌል ከምዙይ ከምዙይ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፥ ተሲእኹም ቀልጢፍኩም ነቲ ሩባ ተሳገርዎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ተሲኦም ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ። ክሳዕ ወጋሕታ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="23">ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="24">ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም ከደ። ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከዓ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="25">ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ።</verse>
				<verse number="26">እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="27">ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥</verse>
				<verse number="28">“እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ጠምዩን ደኺሙን ፀሚኡን እዩ ዘሎ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ዓራውትን ሒላባትን ኣቕሓ መሬትን ኣምፅኡ። ከምኡውን ዝብላዕ ስርናይን ስገምን ሕሩጭን ጥቡስ ሸዊትን ኣዳጕራን ብርስንን ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ላሕምን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣምፅኡሎም።</verse>
				<verse number="29"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣኪቡ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሸመሎም።</verse>
				<verse number="2">ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ህዝቢ ግና፥ “ንሕና እንተ ሃደምና ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ፍርቅና እንተ ሞትናውን ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ንስኻ ግና ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፥ ኣይትውፃእ። ስለዙይ ሕዚ ተዳሊኻ ኣብ ከተማ ዄንካ እንተ ሓገዝካና ይሐይሽ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ከዓ “ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየኩም እገብር” በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣፍ ደገ ደው በለ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኮይኖም ወፁ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ንኣቢሳን ንኢታይን “ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም፥ ኣይትጕድእዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ክእዝዞም እንተሎ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ህዝቢ ከዓ ንደቂ እስራኤል ክዋግኦም ናብ ሜዳ ወፀ፤ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ።</verse>
				<verse number="7">ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ እስራኤል ብሰራዊት ዳዊት ተስዓሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ ኸዓ ሞቱ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ውግእ ኸዓ ኣብ ዅላ እታ ምድሪ ተጋፍሐ። በታ መዓልቲ ኻብቲ ሰይፊ ዝወሓጦ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።</verse>
				<verse number="9">ኣቤሴሎም ድማ ብድንገት ንኣገልገልቲ ዳዊት ተራኸቦም። ኣብ በቕሊ ኸዓ ተቐሚጡ ነበረ። እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፤ ርእሱ ኸዓ በቲ ጨንፈር ኦም ተትሓዘ እሞ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል ኢሉ ተረፈ፤ እታ ተቐሚጥዋ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሓለፈት።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ዝረአየ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ ሪአዮ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="11">ኢዮኣብ ከዓ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፥ “እንሆ ርኢኻዮ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ደኣ ዘይቀተልካዮ? ዓሰርተ ቅርሺ ብሩርን ዕጥቒ ተዋግኣይን ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሳን ንኢታይን ‘ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም ኣይትጕድእዎ’ ኢሉ ኽእዝዘኩም እንተሎ ንሰምዖ ስለ ዝነበርና፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ኢደይ እንተ ዝወሃበኒ እኳ፥ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይመልዓልኩን።</verse>
				<verse number="13">ንእኡ ቀቲለዮ እንተ ዝኸውን ድማ ኻብ ንጉስ ዝሕባእ ነገር ስለ ዘየለ፥ ምፈለጠ ነይሩ፤ ንስኻውን ኣይመድሓንካንን ኔርካ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ።</verse>
				<verse number="15">ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣብ ድማ እቲ ሰራዊት፥ ውግእ ምእንቲ ኸቋርፅ መለኸት ነፍሐ፤ እቲ ሰራዊት ከዓ ኻብ ምስጓጕ እስራኤል ተመለሰ።</verse>
				<verse number="17">ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="18">ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተሎ “ንመዘከርታ ስመይ ዝኾነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ለሰ ንጉስ ሓደ ሓወልቲ ኣቝሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ኸዓ ብስሙ ሰመዮ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ “ሓወልቲ ኣቤሴሎም” ተብሂሉ ይፅዋዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ንንጉስ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቱ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፥ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ” በለ።</verse>
				<verse number="20">ኢዮኣብ ከዓ “ሎሚ መዓልቲ፥ ብስራት እትነግር ንስኻ ኣይኮንካን፤ ንስኻ ብኻልእ መዓልቲ ኢኻ ብስራት እትነግር። ወዲ ንጉስ ሞይቱ ስለ ዘሎ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንስኻ ብስራት ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ኢዮኣብ ግና ኵሲ “ኪድ፥ ዝረአኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። ኵሲ ድማ ንኢዮኣብ ኢድ ነሲኡሉ ጐየየ።</verse>
				<verse number="22">ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ኸዓ ንኢዮኣብ መሊሱ “ዝመፀ ይምፃእ፤ በይዛኻ ኣነውን ደድሕሪ ኵሲ ኽጐዪ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ወደይ፥ ብስራት ነጊርካ እትቕበሎ ውህብቶ የብልካን እሞ፥ ስለ ምንታይ ትጐዪ?” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ድማ “ዝመፀ ይምፃእ፤ ክጐዪ እየ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ኪድ ጕየ” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ ብመንገዲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ጐይዩ ንኵሲ ቐደሞ።</verse>
				<verse number="24">ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሓላዊ ኸዓ ኣብ ዝባን እቲ መካበብያ ደዪቡ ኣብኡ ደው በለ። እንተ ጠመተ ኸዓ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረአየ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ሓላዋይ ከዓ ፀዊዑ ንንጉስ ዓው ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ “በይኑ እንተ ኾይኑስ፥ ብስራት ዝሓዘ እዩ” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ቐረበ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ሓላዊ ኻልእ ሰብኣይ ክጐዪ ረአየ፤ ሽዑ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገ ፀዊዑ “በይኑ ዝጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ ይመፅእ ኣሎ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ “እዙይ እውን ዘበስር እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሓላዊ ድማ “ንኣይስ ጕያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ። ፅቡቕ ብስራት ዘምፅእ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="28">ኣኪማኣስ ድማ ንንጉስ ዓው ኢሉ “ሰላም” በሎ። ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ እሞ “እቲ ኣብ ፀላእትኻ ዓወት ዝሃበካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንጉስ ድማ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ?” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ “ኢዮኣብ ንኣይ ኣገልጋሊኻን ነቲ ኻልእ ኣገልጋሊኻን ክልእኸና እንተሎ፥ ብዙሕ ዕግርግር ረአኹ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ንጉስ ከዓ “ርሕቕ ኢልካ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው በለ።</verse>
				<verse number="31">ኵሲ ኸዓ መፀ። ንንጉስ ድማ “ካብ ኵሎም ፀላእትኻ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣድሒኑካ እዩ እሞ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብስረካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ንጉስ ድማ ንኵሲ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ደሓን ድዩ?” በሎ። ኵሲ ኸዓ “ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእኻ ዝትስኡ ዅሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ንኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍታውካን፥ ነቶም ዝፈትዉኻ ድማ ብምፅላእኻን፥ ነቶም ሓሻኽርካ ኣሕሉቕን ግዲ ኸም ዘይብልካ፥ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፥ ንሕና ዅልና ግና ሎሚ እንተንመውት፥ ዝሐሸ ኾይኑ ኸም ዝረአየካ፥ ሕዚ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="7">ሕዚ ኸዓ፥ ተሲእካ ውፃእሞ፥ ንሓሻኽርካ ኣተባብዕ። እንተ ዘይወፂእኻ ግና፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘየሓድር፥ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ዝበፅሐካ ኽፉእ ድማ፥ እዙይ ዝገደደ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። ስለ ምንታይ ንምምላሰይ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?’</verse>
				<verse number="13">ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”</verse>
				<verse number="14">ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። ሰብ ይሁዳ ድማ ኸይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ፈለግ ዮርዳኖስ ከሳግርዎ ናብ ጌልገላ መፁ።</verse>
				<verse number="16">ሳሚ፥ ወዲ ጌራ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ኾይኑ ንንጉስ ዳዊት ክቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ።</verse>
				<verse number="18">ንስድራ ንጉስ ከሳግሩን፥ ነቲ ንጉስ ዘድልዮ ኽገብሩሉን ነቲ ሩባ ተሳገሩ። ሳሚ ወዲ ጌራ ኸዓ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ።</verse>
				<verse number="19">ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ኣገልጋሊኻ ኸም ዝበደልኩኻ እፈልጥ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ፥ ሎሚ ቕድሚ ዅላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል መፂአ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="23">ንጉስ ከዓ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መሓለሉ።</verse>
				<verse number="24">ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ንንጉስ ክቕበሎ ኻብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ ኸዓ፥ ንጉስ፦ “ኣታ ሜምፊቦስቴ፥ ስለ ምንታይ ምሳይ ዘይኸድካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር።</verse>
				<verse number="28">ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንጉስ ከዓ፦ “ነቲ ርስቲ ሳኦል ንስኻን ሲባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፤ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ግና መሊስካ ኣይትዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ሜምፊቦስቴ ድማ ንንጉስ፥ “እንኳዕ ደኣ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ናብ ገዛኻ ተመለስካ እምበር ኵሉውን ይውሰዶ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ቤርዜሊ በዓል ገለዓድ ከዓ ሮግሊም ካብ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ኽሳዕ ሰገር ዮርዳኖስ ከፋንዎ ኢሉ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።</verse>
				<verse number="32">ቤርዜሊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ። እምብዛ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። የመና ሃብታም ነበረ እሞ፥ ንንጉስ ኣብ መሓናይም እንተሎ ይቕልቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ “ንስኻ ምሳይ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳገር እሞ፥ ዘድልየካ ዅሉ ኽገብረልካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ቤርዜሊ ግና ንንጉስ “ምሳኻ ናብ ኢየሩሳሌም ዝድይብስ ክንደይ ዓመትዶ ተሪፉኒ እዩ?</verse>
				<verse number="35">ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?</verse>
				<verse number="36">እዝ ዅሉ ሞሳውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ግና ዮርዳኖስ ክሳዕ እትሳገር ቁሩብ ከፋንወካ።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ ኣብቲ መቓብር ኣቦይን እኖይን ዘለዎ፥ ኣብ ከተማይ ክመውት ንኣይ ንሓሽከርካ ኽምለስ ፍቐደለይ። ወደይ ከመዓም ግና፥ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፤ ንእኡ ደስ ዝበለካ ግበረሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ንጉስ ከዓ “እምበኣር ከመዓም ምሳይ ይሳገር፤ ንኣኻ ደስ ዘብለካ ድማ ኽገብረሉ እየ፤ ንኣኻውን ኵሉ ኻባይ እትደልዮ ኽገብረልካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ንጉስ ድማ ንቤርዜሊ ስዒሙ መረቖ። ቤርዜሊ ከዓ ናብ ቦታኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="40">ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ።</verse>
				<verse number="41">እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ።</verse>
				<verse number="42">ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸዓ ንሰብ እስራኤል፥ “ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፥ ስለ ምንታይ ኢኹም በዝ ነገር እዙይ እትዅርዩ? ኻብ ንጉስዶ ዝኾነ ብላዕ በሊዕና ኢና? ወይ ዝኾነ ውህብቶዶ ሂቡና እዩ?” ኢሎም መለሱሎም።</verse>
				<verse number="43">እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፥ “እቲ ንጉስ ንኣና ብዓሰርተ ኢድ ይቐርበና፤ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለፀ መሰል ኣለና፤ ስለ ምንታይከ ነዓቕኩምና? ንንጉስ ‘ንምለሶ’ ኢልና ቕድም ዝተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኮንናን?” ኢሎም መለሱሎም፤ ግና ኻብ ዘረባ ሰብ እስራኤልስ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ሓዲጎም ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። ሰብ ይሁዳ ግና ንንጉሶም እሙናት ኮይኖም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ተኸተሉ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ ኣተወ። ሽዑ ነተን ቤት ክሕልዋ ሓዲጉወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ኻብቲ ዝነበራኦ ወሲዱ፥ ክሕለዋ ኣብ ሓደ ቤት ኣቐሚጡ ይቕልበን ነበረ። ምስኣተን ግና ርክብ ኣይገበረን። ንሳተን ከዓ ኸም መበለታት ኮይነን ክሳዕ ዕለተ ሞተን ተዓፅየን ነበራ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ድማ ንኣሜሳይ “ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፤ ንስኻ ኸዓ ሒዝካዮም ኣብዙይ ተረኸብ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኣሜሳይ ንሰብ ይሁዳ ኸኽትት ከደ፤ ግና በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ኣይተመለሰን።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ዳዊት ንኣቢሳ፥ “ሕዚ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ጕድኣት ከውርደልና እዩ፤ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፥ ከይመልቝስ፥ ንስኻ ኣገልገልተይ ሒዝካ ሰዓቦ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ናይ ኢዮኣብ ሰባትን እቶም ሓለውቲ ንጉስን ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወፁ፤ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኸሳጕጉዎ ኸዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፁ።</verse>
				<verse number="8">ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ምስ በፅሑ፥ ኣሜሳይ ክራኸቦም መፀ። ኢዮኣብ ድማ ኽዳን ውግእ ተኸዲኑ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሰይፊ ምስ ሰገባኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንሱ ክኸይድ እንተሎ ድማ እቲ ሰይፊ ወደቐ።</verse>
				<verse number="9">ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ።</verse>
				<verse number="10">ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="11">ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣገልገልቲ ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ጥቓ ሬሳ ኣሜሳይ ቖይሙ “ፈታዊ ኢዮኣብ ዝኾነን ወገን ዳዊት ክኸውን ዝደልን ደድሕሪ ኢዮኣብ ይስዓብ” ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኣሜሳይ ከዓ ኣብ ማእኸል መንገዲ ወዲቑ ኣብ ልዕሊ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ዅሉ እቲ ናብኡ ዝመፅእ ህዝቢ ደው ከም ዝብል ምስ ረአየ፥ ንሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሐሉ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ምስ ኣልዓልዎ ግና፥ ንሳቤዔ ወዲ ቢኽሪ ኽሃድኑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደድሕሪ ኢዮኣብ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="14">ሳቤዔ ድማ በቲ ዅሎም ነገዳት እስራኤል ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ገይሩ ናብ ኣቤል፥ ናብ ቤትመዓካ፥ ናብ ኵሎም ደቂ ቢክሪ ሓለፈ። ኵሎም እቶም ሰባትውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ምስ ኢዮኣብ ዝነበሩ ሓሽኽር ድማ መፂኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት ማዓካ ኸበብዎ፤ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ሓመድ ገበሩላ። ነቲ መንደቕ ኸውድቕዎ ከዓ የፍርስዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ “ስምዑ፥ ስምዑ፥ በይዛኻትኩም ንኢዮኣብ ‘ክዛረበካ ናብዙይ ቅረብ’ በሉለይ” እናበለት ዓው ኢላ ተዛረበት።</verse>
				<verse number="17">ኢዮኣብ ከዓ ናብኣ ቐረበ፤ እታ ሰበይቲ ድማ፦ “ኢዮኣብ ንስኻ ዲኻ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እወ፥ ኣነ እየ” በላ። ንሳ ድማ “ዘረባ ባርያኻ ስማዕ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ።</verse>
				<verse number="18">ንሳ ድማ “ቐደም ‘ምኽሪ ዝጥይቕ፥ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ’ ይበሃል ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ነገሩ ይፍፀም ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="20">ኢዮኣብ ድማ “ኣይፋለይን፥ ንኸተማኹምስ ኣየዕንዋን እየ፤ ኣየጥፍኣንውን እየ።</verse>
				<verse number="21">ነገሩ ኸምኡ ኣይኮነን። ሳቤዔ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ቢክሪ ኻብ እምባታት ኤፍሬም፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዳዊት ዓመፀ፤ ሕዚ ኸዓ ንእኡ ጥራሕ ሃቡኒ እምበር ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም እየ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኢዮኣብ “እምበኣር ርእሱ ብመካበቢያ ኽንድርብየልካ ኢና” በለቶ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ እታ ሰበይቲ ሓሳባታ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ርእሲ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ቘሪፆም ንኢዮኣብ ደርበዩሉ። ኢዮኣብ ከዓ “ተመለሱ” ዝብል መለኸት ነፍሐ። ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ገዛኡ ፋሕ በለ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="23">ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ኣዶኒራም ድማ ናይቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ሓለቓ ነበረ። ዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ተሓዚ መዝገብ ነበረ፤</verse>
				<verse number="25">ሱሳም ድማ ፀሓፊ ነበረ፤ ሳዶቅን ኣብያታርን ከዓ ኻህናት ነበሩ፤</verse>
				<verse number="26">ዒራስ እቲ ያኢራዊ ድማ ናይ ዳዊት ኣማኻሪ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ንጉስ ንገባዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (ገባዖናውያን ካብቶም ኣሞራውያን ተሪፎም ዝነበሩ እዮም እምበር፥ ካብ ወገን ደቂ እስራኤል ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸየጥፍእዎም ምሒሎምሎም ነበሩ። ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፥ ከጥፍኦም ፈቲኑ ነበረ።)</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ከዓ ንገባዖናውያን፦ “ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትባርኹስ፥ እንታይ ክገብረልኩም፥ መተዓረቒኸ እንታይ እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="4">እቶም ገባዖናውያን ድማ “ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ዘሎ ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር ኣይኮነን። ካብ ወገን እስራኤልውን እንቐትሎ የለን” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ድማ ንንጉስ፥ “እቲ ዝወድአናን ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ከይንነብር፥ ምእንቲ ኽንፀንት ዝተተናዀለናን ሰብኣይ፥</verse>
				<verse number="6">ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።</verse>
				<verse number="8">ግና ነቶም ደቂ ሪፅፋ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን ሜምፊቦስቴን፥ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፥ ንዓድርኤል ወዲ ቤርዜሊ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ሪፅፋ ጓል ዮዳሄውን ወጮ ወሲዳ፥ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ሒዛ፥ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንም ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዘርግሐት፤ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ብለይቲ ድማ ኣራዊት በረኻ ክዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።)</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ከዓ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ወሰደ፤ ከምኡ እውን ኣዕፅምቲ እቶም ዝተሰቕሉ ሸውዓተ ደቂ ሳኦል ኣከበ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦ ሳኦል፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ፄላ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪዙይ ድማ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመነ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="15">ፍልስጥኤማውያን ድማ ኸም ብሓድሽ ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ዳዊትን ሰቡንውን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ክዋጋእ ውዒሉ ደኸመ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ወገን ራፋይም፥ ሰለስተ ኺሎን ፈረቓን ዝምዘን ኲናት ነሃስ ዝነበሮ፥ ይሽቢብኖብ ሓድሽ ሰይፊ ተዓጢቑ ነበረ፤ ንዳዊትውን ክቐትሎ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="17">ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ረድኦ፤ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ብሰይፉ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “መብራህቲ እስራኤል ከይትጠፍእስ፥ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትወፅእን” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ መሓሉ።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪዙይ ድማ መሊሶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ጎብ ኣብ ዝበሃል ቦታ ውግእ ኮነ። ሽዑ ሴቦካይ ሑሳታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ኣሳፍ ዝበሃል ሰብኣይ ቀተሎ።</verse>
				<verse number="19">ቀፂሉውን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኮነ። ኤልያናን ወዲ የዓሬኦርጊም በዓል ቤተ ልሔም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ዝነበረ ጎልያድ በዓል ጌት ቀተሎ።</verse>
				<verse number="20">ከምኡውን ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ኸዓ ሸሽዱሽተ ኣፃብዕ ኣእዳውን፥ ኣፃብዕቲ ኣእጋርን፥ ኣብ ኵሉ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ፥ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ራፋይም ዝተወለደ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም ድማ፥ ዮናታን፥ ወዲ ሳማ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።</verse>
				<verse number="22">እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጌት ካብ ራፋይም ዝተወለዱ ነበሩ፤ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሰቡን ከዓ ተቐተሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ሓላዊየይ እዩ፤ ብእኡውን እእመን ኣለኹ። ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥ መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ። ኦ መድሓኒየይ! ካብ ተግባር ግፍዒ ተድሕነኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኽውደስ ዝግብኦ እግዚኣብሄር እፅውዕ፤ ካብ ፀላእተይ ከዓ ኽድሕን እየ።”</verse>
				<verse number="5">ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ወሓይዝ ዓመፃ ኣፍርሐኒ፤</verse>
				<verse number="6">ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤ መፈንጠሪታት ሞት መፀኒ፤</verse>
				<verse number="7">ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤ ናብ ኣምላኸይ ከዓ ኣእወኩ፤ ቃለይ ድማ ኻብ መቕደሱ ሰምዐ፤ ኣውያተይውን ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በፅሐ።</verse>
				<verse number="8">ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን፤ መሰረታት ሰማይ ተናወፁ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤</verse>
				<verse number="9">ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ኣፉ ድማ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ካብኡ በርሀ።</verse>
				<verse number="10">ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ በኽናፍ ንፋስ ከዓ ተርኣየ።</verse>
				<verse number="12">መሰወሪኡ ፀልማት፥ ማይ ዝተፅዓነ ኸቢድ ደመና ኸዓ ኸበቦ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ነፀብራቕ ገፁ ዝተልዓለ፥ ፍሕሚ ነደደ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።</verse>
				<verse number="15">ፍላፃታት ወርዊሩ ንፀላእቱ በተኖም፤ መባርቕቱ ለኣኸ ሃወኾምውን።</verse>
				<verse number="16">ካብ ተግሳፅ እግዚኣብሄር፥ ካብ መንፈስ እስትንፋስ መዓቱ ዝተልዓለ፥ መዓሙቝ ባሕሪ ተርኣየ፤ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ኣርያም ሰዲዱ ወሰደኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="18">ካብቶም ካባይ ዝሕይሉ ፀላእተይ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ብርቱዓት ፀላእተይ ኣናገፈኒ።</verse>
				<verse number="19">ብመዓልቲ መከራይ መፁኒ፤ ግና እግዚኣብሄር ደገፍ ኮነኒ።</verse>
				<verse number="20">ናብ ገፊሕ ኣውፅአኒ፤ ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ይፈድየኒ፤ ከም ንፅህና ኣእዳወይውን ይምልሰለይ።</verse>
				<verse number="22">መንገዲ እግዚኣብሄር ሓልየ እየሞ፥ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፤ ካብ ስርዓቱውን ኣይረሓቕኩን እሞ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ በደልውን ንርእሰይ ዓቀብኩ፤</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከም ቅንዕናይን፥ ከም ንፅህና ኢደይን፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ፈደየኒ።</verse>
				<verse number="26">ምስ ፃድቅ፥ ፃድቅ ኴንካ ትርከብ፤ ምስ ቅኑዕ፥ ቅኑዕ ኾይንካ ትርከብ፤</verse>
				<verse number="27">ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ኾይንካ ትርከብ፤ ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ኴንካ ትርከብ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻ ንዝተጠቕዑ ህዝቢ ተድሕን ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ዕቡያት ግና ተዋርዶ።</verse>
				<verse number="29">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ንፀልማተይ የብርሆ።</verse>
				<verse number="30">ብናትካ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ እጐዪ እየሞ፤ ብኣምላኸይውን ንዕርዲ እዘሎ።</verse>
				<verse number="31">መንገዲ ኣምላኽይ ፍፁም እዩ፤ ቃል እግዚኣብሄር ተፈቲኑ ዝፀረየ እዩ፤ ንሱ ነቶም ኣብኡ ዝዕቈቡ ዅሎም፥ ዋልታኦም እዩ።</verse>
				<verse number="32">ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?</verse>
				<verse number="33">ሓይሊ ዘዕጥቐኒ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንመንገደይውን የቕንዖ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ነእጋረይ ከም እግሪ እራብ ኣደልደለን፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="35">ነእዳወይ ውግእ፥ ንቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ምግታር መሃረን።</verse>
				<verse number="36">ዋልታ ምድሓንካ ሃብካኒ፤ ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ።</verse>
				<verse number="37">ስጓመይ ብትሕተይ ኣስፋሕኻ፤ ኣእጋረይውን ኣየንደልሃፃን።</verse>
				<verse number="38">ንፀላእተይ ኣሳጐጕኩዎም፥ ኣጥፋእኹዎምውን፤ ክሳዕ ዝውድኦም ከዓ ኣይተመለስኩን።</verse>
				<verse number="39">ከም ዘይትስኡ ገይረ ፈፂመ ወዳእኹዎም፤ ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።</verse>
				<verse number="40">ንውግእ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፤ ኣብ ልዕለይ ንዝቖሙ ፀላእተይ፥ ኣብ ትሕተይ ኣግዛእኻዮም።</verse>
				<verse number="41">ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም።</verse>
				<verse number="42">ኣእወዩ፤ ዝረድኦም ግና ኣይነበረን፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="43">ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤</verse>
				<verse number="44">ካብ ክርክር ህዝቢ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ።</verse>
				<verse number="45">ደቂ ባዕዲ ይግዝኡኒ፤ ብእዝኒ ሰሚዖም ይእዘዙኒ።</verse>
				<verse number="46">እቶም ደቂ ጓና እናጠፍኡ ይኸዱ፤ ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ።</verse>
				<verse number="47">እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ እቲ ሓላዊየይውን ይባረኽ፤ እቲ እምባ ምድሓነይ ዝኾነ ኣምላኽ ልዕል ልዕል ይበል።</verse>
				<verse number="48">ንሱ ሕነይ ዝፈድየለይ ኣምላኽ እዩ፤ ነህዛብ ኣብ ትሕተይ የግዝኦም፤</verse>
				<verse number="49">ካብ ፀላእተይ ዘውፅአኒውን ንሱ እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተልዓሉ ፀላእተይ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤ ካብ ገፋዕቲውን ተናግፈኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="50">ስለዙይ ኦ ጐይታ! ኣብ ማእኸል ኣህዛብ አመስግነካ፤ ንስምካውን እዝምር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="51">ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥ ንዘለኣለም ይገብር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዙይ እዩ፤ እቲ ልዕል ልዕል ዘበሎ ሰብ፥ እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ዝቐብኦ፥ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ዝኾነ፥ ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">“መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤ ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?</verse>
				<verse number="6">ኵሎም እቶም ዓመፀኛታት ሰባት ግና፥ ከምቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሓዝ፥ ዝተድርበየ እሾዅ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ እንተ ደለየ ግና፥ ብኢዱ ሓፂንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፤ ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።”</verse>
				<verse number="8">ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ግና ተሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፥ ኣብታ ሰይፊ እውን ክሳዕ እትለግብ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ምርኮ ኽገፉ ጥራሕ ደድሕሪኡ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="11">ሳልሳዮም ከዓ ሳማ ወዲ ኣጌ ኣሮዳዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሓደ ጭፍራ ኾይኖም ኣብ ሓንቲ ሌሒ እትበሃል ብርስን ኣብ ዝመልአት ግራት ተኣከቡ። እስራኤላውያን ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ግና ኣብ ማእኸል እታ ግራት ቆይሙ ተፀበየ፤ ንፍልስጥኤማውያን ከዓ ሰዓሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።</verse>
				<verse number="13">ብጊዜ ዓፂድ ድማ ኻብቶም ሰላሳ ኣሕሉቕ ሰለስተ ወሪዶም ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መፁ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ድማ፥ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ኮን ማይ መስተየኒ?” በለ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዒላ ቤተ ልሔም፥ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ይኹን” ኢሉ ኣፍሰሶ እምበር፥ ክሰትዮ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="17">“ኦ እግዚኣብሄር፥ ነዙይስ ኣይሰትዮን እየ፤ እዙይ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢፆም ዝኸዱ ሰባት ምስታይ እዩ” በለ። ስለዙይ ምስታይ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ ዓበይቲ ተግባራት እዙይ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ፥ ነቶም ሰላሳ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ኲናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ቐተለ። ስሙ ኸዓ ከምቶም ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ግኑን ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ድማ ዝኸበረ ነበረ፥ ስለዙይ ሓለቓኦም ኮነ፤ ግና ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ኣይበፅሐን።</verse>
				<verse number="20">በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።</verse>
				<verse number="21">ከምኡ ድማ ንሓደ ምርኡይ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተለ። እቲ ግብፃዊ ዂናት ብኢዱ ሒዙ ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፤ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ፥ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="22">በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ፤ ንሱ ኸምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ካብቶም ሰላሳ ንላዕሊውን ይኸብር ነበረ፤ ከምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይኮነን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታቱ ሸሞ።</verse>
				<verse number="24">ካብቶም ሰላሳ እቶም ዝተረፉ እዚኣቶም እዮም፦ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ኣብ ማእኸል እቶም ሰላሳ ነበረ፤ ኤልያናን፥ ወዲ ዱዲ ኻብ ቤተልሔም፥</verse>
				<verse number="25">ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኤሊቃ በዓል ሓሮዳ፥</verse>
				<verse number="26">ሴሌስ በዓል ፈልጣ፥ ዒራስ ወዲ ዒቄሽ ቆዓ፥</verse>
				<verse number="27">ኣቢዔዘር በዓል ኣናቶት፥ ምቡናይ በዓል ኩሳታ፥</verse>
				<verse number="28">ፀልሞን በዓል ኣሖሓ፥ ኖኤሬ በዓል ነጦፋ፥</verse>
				<verse number="29">ሔሌብ፥ ወዲ በዓና በዓል ነጦፋ፥ ኢታይ፥ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፥</verse>
				<verse number="30">በናያስ በዓል ጲርዓቶን፥ ሂዳይ ካብ ሩባታት ገዓስ፥</verse>
				<verse number="31">ኣቢዓልቦን በዓል ዓረባ፥ ዓዝሞት በዓል በርሑማ፥</verse>
				<verse number="32">ኤልያሕባ በዓል ሸዓልቦና፥ ደቂ ኣሳን፥ ዮናታን</verse>
				<verse number="33">ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኣምናን፥ ወዲ ኣራር በዓል ኣሮዳ፥</verse>
				<verse number="34">ኤሌፋላት፥ ወዲ ኣሓስባይ በዓል ማዕካታ፥ ኤልያብ ወዲ ኣኪጦፌል፥ በዓል ጊሎና፥</verse>
				<verse number="35">ሓፅሮ በዓል ቀርሜሎስ፥ ፈዓራይ በዓል ኣርባ።</verse>
				<verse number="36">ይግዓል ወዲ ናታን ካብ ሱባ፥ ባኒ በዓል ጋድ፥</verse>
				<verse number="37">ፄሌቅ በዓል ኣሞን፥ ነሓራይ በዓል ብዔሮት፥ ተሸካሚ ኣፅዋር ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ።</verse>
				<verse number="38">ዒራስ በዓል ይትራዊ፥ ጋሬብ በዓል ይትራዊ፥</verse>
				<verse number="39">ኦርዮ በዓል ኬጢያ፤ ኵሎም ሰላሳን ሸውዓተን እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ኢዮኣብ ድማ ንንጉስ “ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ እናረአየ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሚእቲ ሻዕ የብዝሓዮ፤ ግና፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ክትገብሮ ደለኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ።</verse>
				<verse number="5">ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ምድሪ ጋድ፥ ኣብ ማእኸል ለሰ ዘላ ብየማን ከተማ ኢያዜር ኣብ ኣሮዔር ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="6">ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="9">ኢዮኣብ ድማ ፀብፃብ እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንንጉስ ኣቕረበ፦ ተዋጋእቲ ሰባት ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ሰባት ነበሩ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ</verse>
				<verse number="12">“ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ኣብ ሃገርካ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ክመፀካዶ? ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ኽትሃድም፥ ንሳቶም ከሳጕጉኻዶ? ወይ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ክኸውን ትመርፅ? ነቲ ዝለኣኸኒ ኽምልሰሉስ ኣስተውዒልካ ምረፅ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።</verse>
				<verse number="16">እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እግዚኣብሄር በቲ ጥፍኣት ሓዚኑ፥ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ፥ “ደጊም ይኣኽለካ፤ ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ጋድ ናብ ዳዊት መፂኡ “ናብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ኺድ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መሰውኢ ስራሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝኣዘዞ ኸደ።</verse>
				<verse number="20">ኦርና ኸዓ ንጉስን ኣሕሉቑን ናብኡ ኽመፁ እንተለዉ ረአየ፤ ወፂኡ ኸዓ ብገፁ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።</verse>
				<verse number="21">ኦርና ድማ “ጐይታይ ንጉስ! ናባይ ናብ ኣገልጋሊኻ ስለ ምንታይ መፃእኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እዝ መቕሰፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኽኽልከል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ ኻባኻ ኽዕድግ እየ መፂአ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኦርና ድማ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ወሲድካ ኣቕርብ። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ኣብዑር፥ ንዝነድድ ዕንፀይቲ፥ ሰረገላታትን መሳርሒ ማሕረስን እንሆ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ኦርና ድማ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ደኣ ይቀበለልካ እምበር እዝ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ግና ንኦርና “ኣይፋልካን ዋጋ ዘይከፈልኩሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ እሞ፥ ብዋጋኡ ደኣ ሽጠለይ” በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ቕርሺ ብሩር ዓደጎም።</verse>
				<verse number="25">ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="11">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቶም ኣገልገልቱ “ንጐይታና ንንጉስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቆይማ እተላዕሎን እትኣልዮን፥ ምእንቲ ኽመውቕ ከዓ ሓቚፋቶ እትድቅስ ድንግል ጓል ክንደልየሉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል መልክዐኛ ጓል ደለዩ። ንሱናማዊት ኣቢሳውን ረኸቡ እሞ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣምፅእዋ።</verse>
				<verse number="4">ንሳ የመና ፅብቕቲ ነበረት፤ ንንጉስ ከዓ ትከናኸኖን ተገልግሎን ነበረት፤ እቲ ንጉስ ግና ኣይፈልጣን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ፥ እቲ ኻብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት፥ ድሕሪ ኣቤሴሎም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ የመና ምልኩዕ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣቦኡውን ምሉእ ህይወቱ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኸምዙይ እትገብር?” ኢሉ ነቒፍዎ ኣይፈልጥን ነበረ። ሽዑ “ኣነ ኽነግስ እየ” ብምባል ተልዓለ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኡትን ከዓ ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ንኻህን ኣብያታርን ድማ ምስጢሩ ነገሮም፤ ንሳቶም ከዓ ደገፍዎ።</verse>
				<verse number="8">ካህን ሳዶቅን በናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቢይ ናታንን ሳሚን ሬሲን እቶም ሓያላት ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን።</verse>
				<verse number="9">ኣዶንያስ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓይንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔሌት ኣባጊዕን ከፍትን ስቡሓት ጣዓዉን ሓረደ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ሹመኛታት ንጉስ ዝኾኑ ሰብ ይሁዳን ከዓ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="10">ንነቢይ ናታንን ንበናያስን ነቶም ጀጋኑ ሓለውቲ ንጉስን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይፀውዖምን።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ናታን ንቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን፥ “ጐይታና ንጉስ እንተይፈለጠ፥ ካብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕኽን ኢኺ?” በላ።</verse>
				<verse number="12">“ሕዚ ድማ ህይወትክን ህይወት ሰሎሞን ወድኽን እተድሕንሉ ምኽሪ ኽመኽረኪ ንዒ።</verse>
				<verse number="13">ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት እተዊ፤ ‘ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ንስኻ ንኣይ ንገረድካ፥ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፥ ንሱ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ፥ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን? ስለ ምንታይ ደኣ ኣዶንያስ ነገሰ?’ በሊዮ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ ገና ንስኺ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ እንተለኺ ኸዓ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ፥ እቲ ዝበልክዮ ሓቂ ኸም ዝኾነ ኸረጋግፀሉ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="15">ቤርሳቤህ ከዓ ናብ ንጉስ ናብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ የመና ኣሪጉ ነበረ፤ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት ከዓ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት።</verse>
				<verse number="16">ቤርሳቤህ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ዳዊት ኢድ ነስአትሉ። እቲ ንጉስ ከዓ፥ “እንታይ ኢኺ ደሊኺ?” ኢሉ ጠየቓ።</verse>
				<verse number="17">ቤርሳቤህ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ‘ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢልካ ንኣይ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ።</verse>
				<verse number="18">ሕዚ ግና እንሆ፥ ኣዶንያስ ነጊሱ፥ ንስኻ፥ ጐይታይ ንጉስ ከዓ ነዙይ ኣይፈለጥካዮን።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓውን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ፀዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ወድኻ ግና ኣይፀውዖን።</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ ክትነግሮም ኵሎም እስራኤል ንኣኻ ይፅበዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="21">እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ ድማ፥ ቤርሳቤህ ምስ ንጉስ ክትዛረብ እንተላ፥ ነቢይ ናታን ኣተወ።</verse>
				<verse number="23">ንንጉስ ከዓ “ነቢይ ናታን እንሆ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ናታን ናብ ቤት ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ብድሕሬኻ ኣዶንያስ ከም ዝነግስ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዙፋንካ ኸም ዝቕመጥዶ ኣዊጅካ ኢኻ?</verse>
				<verse number="25">ንሱ ሎሚ ወሪዱ፥ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓዉን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቅኻን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ፀዊዕዎም ኣሎ፤ እኒሀዉ ኸዓ፥ ምስኡ ይበልዑን ይሰትዩን ኣለዉ፤ ‘ንጉስ ኣዶንያስ ህያው ይኹን’ ድማ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="26">ንኣይ ንኣገልጋሊኻን ንኻህን ሳዶቅን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ንወድኻ ሰሎሞንን ግና ኣይፀውዐናን።</verse>
				<verse number="27">ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ መን ከም ዝኾነ ንሹመኛታትካ ኣይነገርካናን። እዝ ነገርዙይ ጐይታይ ንጉስ ዲኻ ጌርካዮ?” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ንጉስ ዳዊት “ንቤርሳቤህ ፀውዑለይ” በለ። ንሳ ኸዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ኣትያ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንጉስ ድማ “በቲ ንህይወተይ ካብ ኵሉ ፀበባ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="30">ከምቲ ‘ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ እዩ፥ ንሱ ድማ ኽንዳይ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፥ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ” ኢሉ መሓለ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት።</verse>
				<verse number="32">ንጉስ ዳዊት ድማ፥ “ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ፀውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ መፁ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ።</verse>
				<verse number="34">ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ።</verse>
				<verse number="35">“ብድሕሪኡውን ተኸቲልኩምዎ ውፁ፤ ንሱ ኸዓ መፂኡ ኣብ ዙፋነይ ይቀመጥ እሞ ኽንዳይ ይንገስ፤ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ክነግስ ኣዚዘ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="36">በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ንንጉስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ደኣ ኸምኡ ይበል እምበር፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ኢና።</verse>
				<verse number="37">እግዚኣብሄር ከምቲ ምሳኻ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፥ ከምኡ ኸዓ ምስ ሰሎሞን ይኹን፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዙፋንካ የዕብያ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን በናያስ ወዲ ዮዳሄን እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ንሰሎሞን ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣቐሚጦም ብዓጀብ ናብ ግዮን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="39">ካህን ሳዶቅ ድማ በቲ ኻብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘምፅኦ፥ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ኵሎም ህዝቢ ድማ፥ “ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን” በሉ።</verse>
				<verse number="40">ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት።</verse>
				<verse number="41">ኣዶንያስን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅዉዓትን ድማ በሊዖም ምስ ወድኡ ድምፂ ሰምዑ። ኢዮኣብ ከዓ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዐ “እዝ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ወኻዕታ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።</verse>
				<verse number="42">ገና ኽዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መፀ፤ ኣዶንያስ ድማ “ኣታ ፅቡቕ እተበስር ለባም ሰብ ኢኻ እሞ እቶ” በሎ።</verse>
				<verse number="43">ዮናታን ከዓ ንኣዶንያስ ከምዙይ ኢሉ መለስ፦ “ኣይፋለይን፤ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ።</verse>
				<verse number="44">እቲ ንጉስ ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቶም ሓለውቲ ንጉስ ክሊታውያንን ፊሊታውያንን ክዕጅብዎ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="45">ካህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ድማ ንጉስ ክኸውን ኣብ ግዮን ቀብእዎ። ካብኡ ኸዓ ብዕልልታ ዓጂቦምዎ ተመለሱ፥ እታ ኸተማ ድማ ብዕልልታ ኣጋወሐት፤ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ድምፂ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="46">ሰሎሞን ከዓ ኣብ ዙፋን መንግስቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="47">እቶም ሹመኛታት ቤተ መንግስቲ ድማ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ኣትዮም ንጐይታና ንጉስ ዳዊት ‘ኣምላኽካ ንሰሎሞን ካባኻ የብልፆ፤ ንዙፋኑ ኸዓ ኻብ ዙፋንካ የዕብዮ’ እናበሉ መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።</verse>
				<verse number="48">ቀፂሉ ኸዓ ‘እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዙፋነይ ዝቕመጥ ውሉድ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን’ በለ።”</verse>
				<verse number="49">ሽዑ እቶም ኣዶንያስ ዝፀውዖም ኵሎም ፈርሑ፤ ተሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመንገዶም ከዱ።</verse>
				<verse number="50">ኣዶንያስ ከዓ ንሰሎሞን ፈርሖ፤ ተሲኡ ድማ ኸደ፤ ቀርኒ መሰውኢውን ኣፅኒዑ ሓዘ።</verse>
				<verse number="51">ኣገልገልቱ ድማ፥ ንሰሎሞን “እንሆ፥ ኣዶንያስ ንኣኻ ንንጉስ ፈሪሑ ቐርኒ መሰውኢ ሒዙ ኣሎ፤ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንኣይ ንሓሽከሩ ብሰይፊ ኸይቐትለኒ ሎሚ ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="52">ሰሎሞን ከዓ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ኾይኑስ ካብ ፀጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፤ ክፍኣት እንተ ተረኽቦ ግና፥ ክመውት እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="53">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ኻብቲ መሰውኢ ኣምፅኦ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ “ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ምስ ቀረበት ንሰሎሞን ወዱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን።</verse>
				<verse number="3">እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">“እቲ ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፤ ነቶም ክልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፥ ንኣበኔር ወዲ ኔርን ንኣሜሳይ ወዲ ዬቴሩን ቀተሎም፤ ብጊዜ ውግእ ዝፈሰሰ ደም ምእንቲ ኽብቀል፥ ብጊዜ ሰላም ደም ኣፍሰሰ። ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ቕናቱን፥ ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ድማ ደም ገበረ።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ንስኻውን ከም ጥበብካ ግበር። ንሲበቱውን ብሰላም ናብ መቓብር ኣይተውርዶ።</verse>
				<verse number="7">“እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ።</verse>
				<verse number="8">“እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ኸዓ ብዘይ ቅፅዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፥ ንሲበቱውን ምስ ደም ናብ መቃብር ኣውርዶ።”</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።</verse>
				<verse number="12">ሰሎሞን ድማ ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፤ ስልጣን መንግስቱውን የመና ፀንዐት።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኻብ ሓጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ድማ ናብ ቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን መፀ። ንሳ ኸዓ “ናባይ ምምፃእኻስ ብሰላም ድዩ?” በለቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="14">ኣስዒቡ ኸዓ “ምሳኺ ዘረባ ኣለኒ” በላ። ንሳ ኸዓ “ተዛረብ” በለቶ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ኸዓ “መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፥ ኵሎም ደቂ እስራኤልውን ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ገፆም ናባይ ገይሮም ከም ዝነበሩ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑሉ ግና፥ እታ መንግስቲ ንሓወይ ኮነት።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ኸዓ ሓንቲ ልመና ኽልምነኪ እየሞ ኣይተሕፍርኒ” በላ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኸዓ “ኣየሕፍረክን እዩ እሞ፥ ንሱነማዊት ኣቢሳ ንኸመርዕወኒ፥ በይዛኺ ተዛረብዮ” በላ።</verse>
				<verse number="18">ቤርሳቤህ ከዓ፥ “ፅቡቕ እዩ፤ ንንጉስ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="19">ቤርሳቤህ ብዛዕባ ኣዶንያስ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከዓ ኽቕበላ ተስአ፤ ኢድ ነሲኡላ ድማ ኣብ ወንበር ተቐመጠ፤ ንኣኣውን መንበር ከምፅኡላ ኣዘዘ እሞ ብየማኑ ተቐመጠት።</verse>
				<verse number="20">ንሳ ኸዓ፥ “ሓንቲ ንእሽተይ ልመና ኽልምነካ እየ እሞ ኣይተሕፍረኒ” በለቶ። ንጉስ ድማ “እኖይ፥ ኣየሕፍረክንሞ ጠይቒ” በላ።</verse>
				<verse number="21">ንሳ ኸዓ “ኣቢሳ እታ ሱናማዊት፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ፥ ንሓውካ ኣዶንያስ ትወሃብ” በለቶ።</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ንኖኡ፥ “ንኣዶንያስ፥ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት እትጥይቕሉ ስለ ምንታይ ኢኺ? ንሱ ኻባይ ዝዓቢ ሓወይ እዩ፤ እምበኣር እዛ መንግስቲ እውን ጠይቒሉ! ብቕድሙውን ካህን ኣብያታርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን መሻርኽቱ ነይሮም እዮም” ኢሉ መለሰላ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን “ኣዶንያስ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተዛረበ እንተ ዘይኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፥ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ።</verse>
				<verse number="24">“ሕዚ ኸዓ በቲ ኣብ ዙፋን ኣቦይ ዳዊት ኣደልዲሉ ዘቐመጠኒ፥ ከምቲ ዘተስፈዎ ድማ ንኣይን ንዘርአይን መንግስቲ ዘቖመለይ፥ ኣዶንያስ ሎሚ ኸም ዝቕተል፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="26">ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ፥ ኣብ ሴሎ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ኮይኑ ኻብ ምግልጋል ሰዓሮ።</verse>
				<verse number="28">ኢዮኣብ ድማ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይተኸተለ፥ ንኣዶንያስ ተኸቲሉ ነበረሞ፥ ወረ ምስ በፅሖ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ።</verse>
				<verse number="29">ንንጉስ ሰሎሞን ከዓ ኢዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሃደመን ንመሰውኢ ድማ ኸም ዝሓዘን ነገርዎ። ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ልኡኽ ሰዲዱ ስለ ምንታይ ናብቲ መሰውኢ ኸም ዝሃደመ ጠየቖ። ኢዮኣብ ድማ ንሰሎሞን ፈሪሑ ኸም ዝሃደመ ነገሮ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="30">በናያስ ከዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን መፂኡ፥ “ንጉስ ‘ውፃእ’ ኢሉ ይእዝዘካ ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና “ኣይፋለይን፤ ኣብዙይ ደኣ እመውት እምበር ኣይወፅእን እየ” በሎ። በናያስ ድማ ንንጉስ፥ ኢዮኣብ ከምዙይ ኢሉኒ፥ ከምዙይውን መሊሱለይ ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="31">ንጉስ ከዓ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፤ ቀቲልካ ቕበሮ፤ ነቲ ኢዮኣብ ዘፍሰሶ ንፁህ ደም ድማ ኻባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።</verse>
				<verse number="32">ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።</verse>
				<verse number="33">ደሞም ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይመለስ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ግና ኻብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብታ ኣብ ሜዳ ዘላ መሬቱ ኸዓ ተቐበረ።</verse>
				<verse number="35">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኽንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሓለቓ ሰራዊት ገበረ። ንኻህን ሳዶቕ ከዓ ኽንዲ ኣብያታር ገበረ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ንጉስ ከዓ ንሳሚ ልኢኹ ፀውዖ። “ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ሰሪሕኻ ተቐመጥ፤ ካብኣ ድማ ኣይትውፃእ።</verse>
				<verse number="37">በታ ወፂእኻ ንሩባ ቄድሮን ዝተሳገርካላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ደምካውን ኣብ ርእስኻ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ሳሚ ኸዓ ንንጉስ “እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩ፤ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ ኣነ ባርያኻ ኸምኡ ኽገብር እየ” በሎ። ሳሚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="39">ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ኣገልገልቲ ሳሚ ናብ ኣንኩስ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት ሃደሙ። ንሳሚ ድማ “ኣብ ጌት ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ሳሚ ኣድጉ ፅዒኑ ነቶም ኣገልገልቲ ኽደልዮም ናብ ኣንኩስ ናብ ጌት ከደ። ምስ ረኸቦም ድማ ሒዝዎም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="41">ሳሚ ኻብ ኢየሩሳሌም ናብ ጌት ከይዱ ኸም ዝተመለሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ።</verse>
				<verse number="42">እቲ ንጉስ ከዓ ልኢኹ ንሳሚ ፀውዖ፤ “በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ርግፅ ከም እትመውት ኣፀቢቕካ ፍለጥ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዐልካንዶ ኣይነበርኩን? ንስኻውን ‘እዝ ዝበልካዮ ፅቡቕ እዩንዶ ኢልካኒ ኣይነበርካን?’</verse>
				<verse number="43">ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘይሓለኻዮ?</verse>
				<verse number="44">“እቲ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ኽፉእ ነገር ኣፀቢቕካ ትፈልጦ ኣለኻ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ክቐፅዐካ እዩ።</verse>
				<verse number="45">ንጉስ ሰሎሞን ግና ቡሩኽ ይኹን፤ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ፅኑዕ ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="46">ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ሰሎሞን ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሓሙ ኾነ እሞ ንጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቕፅርን ሰሪሑ ኽሳዕ ዝውድእ ከዓ፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኣ።</verse>
				<verse number="2">ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ይፈትዎ ነበረ፤ ብስርዓት ኣቦኡ ዳዊትውን ይኸይድ ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እታ ዝዓበየት ኰረብታ ገባዖን ነበረት እሞ፥ እቲ ንጉስ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቱይ ከዓ ሰሎሞን ሽሕ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="5">በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ኣብ ገባዖን ብሕልሚ ተገለፀሉ። “እንታይ ከም ዝህበካውን ለምን” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሰሎሞን ድማ “ንስኻ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብፅድቅን ብቕንዕና ልብን ተመላለሰ፤ ነዝ ዓብዪ ምሕረት እዙይ ሓሊኻ ኸዓ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ።</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ እውን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንባርያኻ ኽንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፤ ኣነ ኸዓ መውፅእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽተይ ቈልዓ እየ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ባርያኻ ድማ ኣብ ማእኸል እዝ ንስኻ ዝሓረኻዮ ህዝቢ፥ ኣብ ማእኸል እዝ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ዘይቝፀርን ዘይፅብፀብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="9">ነዝ ብዙሕ ህዝቢ እዙይ ደኣ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኽፈርድስ፥ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃቦ” ኢሉ ለመነ።</verse>
				<verse number="10">ሰሎሞን እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝለመነ ድማ፥ ነገሩ ንእግዚኣብሄር ደስ ኣበሎ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄርውን፥ “ፍርዲ ንምፍላጥ ምስትውዓል ለመንካ እምበር፥ ንባዕልኻ ብዙሕ ዘመናት፥ ብዙሕ ሃብቲ፥ ነፍሲ ፀላእትኻ እንተይለመንካ፥ ነዝ ነገር እዙይ ለሚንካ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="12">እንሆ፥ ኣነውን ከምቲ ቓልካ ገይረልካ ኣለኹ፤ ብልህን ዘስተውዕል ልብን ሂበካ ኣለኹ። እዝ ውህብቶ እዙይ ቅድሜኻ ንዝነበረ ኣይሃብኩን፤ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ምስኡ ድማ፥ ካብ ነገስታት ዝመስለካ ሓደ እኳ ኸይነብር ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሂበካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ከም ኣቦኻ ዳዊት ሕግጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓሊኻ፥ ብመንገደይ ድማ እንተ ኼድካ፥ ዕድሜኻ ኽነውሕ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፤ እንሆ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቆመ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ኣዕረገ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዅሎም ሹመኛታቱ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኽልተ ኣመንዝራታት ኣንስቲ ናብ ንጉስ መፂአን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ።</verse>
				<verse number="17">እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኦ ጐይታይ፥ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ እንተለኹ ኸዓ ወዲ ወለድኩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ሳልሰይቲ መዓልተይውን እዛ ሰበይቲ እዚኣ ወለደት። ንሕና ኸዓ ብሓንሳእ ነበርና፤ ኣብታ ቤት እቲኣ ብዘይ ክልቴና ኻልእ ሰብ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="19">“ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኸዓ፥ ንሳ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት ለይቲ ሞተ።</verse>
				<verse number="20">ፍርቂ ለይቲ ተሲኣ ኸዓ፥ ኣነ ገረድካ ደቂሰ እንተለኹ፥ ነቲ ወደይ ካብ ሕቝፈይ ወሲዳ ኣብ ሕቝፋ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ምዉት ወዳ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቀሰቶ።</verse>
				<verse number="21">እንሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ ንግሆ እንተ ተሳእኹ ኸዓ ሞይቱ ፀንሐ። ብምስትውዓል እንተ ጠመትክዎ ድማ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይነበረን” በለት።</verse>
				<verse number="22">እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፤ እቲ ምዉት ግና ወድኺ እዩ” በለት። እዚኣ ድማ “ኣይፋሉን፤ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ እምበር፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎስ ወደይ እዩ” በለት። በዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተኸራኸራ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ እቲ ንጉስ “እዚኣ ‘እዝ ብህይወቱ ዘሎ ወደይ እዩ፥ እቲ ምዉት ከዓ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፥ እዚኣ ኸዓ ‘ኣይፋሉን፥ እቲ ምዉት ወድኺ እዩ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንጉስ ከዓ “ሰይፊ ኣምፅኡለይ” በለ። ሰይፊ ድማ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ንጉስ ድማ “ነዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ኣብ ክልተ ቘሪፅኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፥ እቲ ፈረቓ ኸዓ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ እታ ወዳ ብህይወት ዘሎ ኣምዑታ ተናወፀ እሞ፥ ነቲ ንጉስ፥ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ንኣኣ ሃብዋ እምበር ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ” ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፥ “ኣይ ንኣይ፥ ኣይ ንኣኺ፥ ቍረፅዎ ደኣ” በለት።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ንጉስ “ምቕታልስ ኣይትቕተልዎ፤ እዝ ብህይወቱ ዘሎ ህፃን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ፤ እኖኡ ንሳ እያ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="28">ነዝ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዕዎ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ እግዚኣብሄር ኣብኡ ኸም ዘሎ ሪኦም ከዓ ንንጉስ ፈርሕዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እንሆ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኮነ።</verse>
				<verse number="2">ዝነበሩዎ ኣሕሉቕውን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቅ ካህን፥</verse>
				<verse number="3">ኤሊያፍን ኣኪያን፥ ደቂ ሴባ፥ ፀሓፍቲ፥ ኢዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፥ ፀሓፊ ታሪኽ፥</verse>
				<verse number="4">በናያስ ወዲ ዮዳሄ፥ ሓለቓ ሰራዊት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን ካህናት፥</verse>
				<verse number="5">ኣዛርያስ ወዲ ናታን ሓለቓ ኣሕሉቕ፥ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታዊ ንጉስን፥</verse>
				<verse number="6">ኣሒሳር ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ፥ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ፥ ኣካቢ ግብሪ፥</verse>
				<verse number="7">ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ሃገር ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ዝምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኽምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።</verse>
				<verse number="8">ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ወዲ ሑር ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥</verse>
				<verse number="9">ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥</verse>
				<verse number="10">ቤን ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፥ ኣብ ሰኮት፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኤፌርን፥</verse>
				<verse number="11">ወዲ ኣሚናዳብ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር ዶር። (ንጣፈት ጓል ሰሎሞን ኣእትዩ ዝነበረ እዩ።)</verse>
				<verse number="12">በዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዕናክን መጊዶን ኣብ ኵላ ቤትሳንን፥ እታ ኣብ ጎቦ ፀርታንም፥ ብትሕቲ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ዘሎ ቤትሳን ክሳዕ ኣቤልምሖላና፥ ክሳዕ ሰገር ዮቅምዓም ዘላ፥</verse>
				<verse number="13">ወዲ ጌበር ኣብ ሬማት ዘገለዓድ፥ ኣብተን ኣብ ገለዓድ ዘለዋ ዓድታት ኢያዕር ወዲ ምናሴ፥ ኣብታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ኣብተን ዕርድታትን መሸጐሪ ነሃስን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ነበርዎ፤</verse>
				<verse number="14">ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ መሓናይም፥</verse>
				<verse number="15">ኣኪማዓስ፥ እቲ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ዝተመርዓወ፥ ኣብ ንፍታሌም፥</verse>
				<verse number="16">በዓና ወዲ ኵሲ ኣብ ኣሴርን ኣብ በዓሎትን፥</verse>
				<verse number="17">ኢዮሳፋጥ ወዲ ፋሩዋ ኣብ ይሳኮር፥</verse>
				<verse number="18">ሳሚ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፥</verse>
				<verse number="19">ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ገለዓድ፥ ኣብታ ናይ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ዓግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር። ብዘይ እዞም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ይሁዳን እስራኤልን ከም ሑፃ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ፤ ሕጕሳት ድማ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ምግቢ ሰሎሞን ከዓ ነንመዓልቲ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ምሩፅ ሕሩጭ፥ ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ድማ ተራ ሕሩጭ፥</verse>
				<verse number="23">ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑር፥ ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰዪ፥ ሚእቲ ኣባጊዕ ነበረ። እዙይ ድማ ብዘይ ዋልያታትን ሰስሓታትን ዓጋዜንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ድማ ነታ ኽነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዘላ ዅላ ሃገር፥ ካብ ቲፍሳ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነዘው ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ብዅሉ ወገን ሰላም ኮይኑሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ድማ ኻብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ብህድኣት ይነብር ነበረ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ይቕመጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ሰሎሞን ድማ ሰረገላታቱ ንዝስሕቡ ኣፍራስ ዝኸውን ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ነበሮ። ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ዓሰርተ ኽልተ መመሓደርቲ ኽፍላተ ሃገር ነፍሲ ወከፎም ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ኣብ ማእዱ ዝቐርቡ ዅላቶምን ወወርሖም ይቕልቡ ነበሩ፤ ሓደኳ ኣየጕድሉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">ነፍሲ ወከፍ መመሓደሪ ኸዓ ነቶም ሰረገላታት ዝስሕቡ ኣፍራስን ካልኦት ኣፍራስን ከምቲ ዝተሰርዐሉ ስገምን ሓሰርን ናብቲ ምዱብ ቦታ የምፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን የመና ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኽስፈር ዘይከኣል ስፍሓት ልብን ሃቦ።</verse>
				<verse number="30">ጥበብ ሰሎሞን ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ደቂ ግብፅን ይበልፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ጥበብ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ሰብ፥ ካብ ናይ ኤታን ኢይዝራኤላዊን፥ ካብ ናይ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፥ ደቂ ማሖልን ይበልፅ ነበረ። ዝናኡ ኸዓ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወፀ።</verse>
				<verse number="32">ሰለስተ ሽሕ ምስላ መሰለ፤ ሽሕን ሓሙሽተን መዝሙራት ድማ ደረሰ።</verse>
				<verse number="33">ብዛዕባ ኣእዋም ከዓ ኻብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ ኽሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዝበቍል ስምዕዛ ተዛረበ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ኵሎም ህዝብታት ዓለም፥ በቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ዝተልኣኹ ጥበብ ሰሎሞን ክሰምዑ ሰባት ይመፁ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ብዅሉ ዘመኑ ፈታዊ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ ኸዓ፥ ናብ ሰሎሞን ልኡኻቱ ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞን ድማ ናብ ኪራም ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦</verse>
				<verse number="3">“ኣቦይ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ዓወት ክሳዕ ዝህቦ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ክሰርሕ ከም ዘይተኽኣሎ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዅሉ ወሰናት ሃገረይ ኣዕሪፉኒ ኣሎ፤ ዝፃረረኒ የለን፤ ዝኾነ ናይ ድንገት ነገር ድማ የለን።</verse>
				<verse number="5">እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">“ሕዚ ኸዓ ኻባና ኸም ሲዶናውያን ገይሮም ምቝራፅ ኦም ዝፈልጡ ኸም ዘየለዉ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ዝግባ ኽቘርፁለይ ንኣገልገልትኻ ኣዝዝ። ኣገልገልተይውን ምስቶም ኣገልገልትኻ ይኹኑ፤ ውዕለት ኣገልገልትኻ ድማ ኸምቲ ዅሉ እትብለኒ ገይረ ኽህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኪራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፥ የመና ተሓጕሱ “ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ጥበበኛ ወዲ ዝሃቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ይመስገን” በለ።</verse>
				<verse number="8">ናብ ሰሎሞን ልኢኹ ድማ “እቲ ዝለኣኽካለይ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ብዛዕባ ኣእዋም ዝግባን ብዛዕባ ኣእዋም ፅሕድን ድማ ኸምቲ ዅሉ ዝደለኻዮ ኽገብረልካ እየ።</verse>
				<verse number="9">ኣገልገልተይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኸውርድዎ እዮም፤ ኣነውን ብታንኳ ገይረ ብባሕሪ እናንሳፈፍኩ ናብታ ንስኻ ዝመደብካያ ቦታ ኸብፅሖ እየ፤ ኣብኡውን ክፈትሖ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ኻብኡ ትወስዶ። ንስኻ ድማ ድልየተይ ክትገብር ኢኻ፤ ንቤተይ ቀለብ ዝኸውን ክትህበኒ ኢኻ” ኢሉ ናብ ሰሎሞን ለኣኸ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ኪራም ከምቲ ድልየቱ ገይሩ ንሰሎሞን ኣእዋም ፅሕድን ኣእዋም ዝግባን ይህቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ዕስራ ሽሕ ኲንታል ስርናይን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ፅሩይ ዘይትን ንቤተ መንግስቱ ቐለብ ክኸውን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ኵሉ እስራኤል ሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣከበ፤</verse>
				<verse number="14">ንኣዶኒራም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ሸሞ። እናከታተለ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ናብ ሊባኖስ ይሰድድ ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፥ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ይነብሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ሰሎሞን ኣብ እምባ ኣእማን ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ነቲ ዝተወቕረ እምኒ ዝስከሙ ኸዓ ሰብዓ ሺሕ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="16">ነዝ ስራሕ እዙይ ኣሕሉቕ ኮይኖም ዘስርሑ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት ድማ መደበ።</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="18">ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ኪራምን ደቂ ጌባልን ኮይኖም ከዓ፥ ንመስርሒ እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋም ቈረፁ። ኣእማንውን ወቐሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ሰሎሞን ዘስርሖ ቤት እግዚኣብሄር ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ኸምቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር ዝምግፋሑ ነበረ። ምንዋሑ ኸዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብዓይኒ ርግቢ ዘይነቓነቕ መሳዅቲ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="5">ምስ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ኣፀጊዑ፥ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ደብርታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ሰረገላታት ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕን እቲ ቤተ መቕደስን ከይተሓሓዝስ፥ ኣብቲ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ብደገ ዙርያኣ ሕድጋት ገበረሉ እሞ፥ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ምግፋሑ ሓሙሽተ እመት፥ እቲ ማእኸላይ ድማ ምግፋሑ ሽዱሽተ እመት፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ምግፋሑ ሸውዓተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን።</verse>
				<verse number="8">ደገ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፥ ብወገን የማን እቲ ቤተ መቕደስ ነበረ፤ ናብቲ ማእኸላይን ሳልሳይን ደብሪ ድማ ብዝተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ። ብገመላት ብሉሕ ዝግባን ገይሩ ኸዓ ኸደኖ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ኵሉ ፀግዒ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፤ ምስቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ብሉሕ ዝግባ ኣጋጠምዎ።</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መፀ፦</verse>
				<verse number="12">“ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘለኻ ቤተ መቕደስ፥ ብሕግታተይ እንተ ኼድካ፥ ስርዓታተይ ከዓ እንተ ጌርካ፥ ንዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ሓለኻዮ፥ እቲ ነቦኻ ዳዊት ዘተስፈኽዎ ቓለይ ምሳኻ ኸፅንዖ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ኽነብር እየ፤ ንህዝበይ እስራኤል ከዓ ኣይሓድጎን እየ።”</verse>
				<verse number="14">ሰሎሞን ድማ ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="15">ንመንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ብወገን ውሽጡ ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ከዓ ነቲ ውሽጢ ብዕንፀይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ።</verse>
				<verse number="16">ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መቕደስ ዝበሃል ክፍሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ሜትር ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ከዓ ዝመዓጐ ተኽልን ዝፈኸኸ ዕምበባታትን ዝተቐርፆ ዝግባ ለበጦ። ኵሉ ዝግባ ስለ ዝነበረ ዝረአ እምኒ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዘንብሩሉ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብውሽጡ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ትሽዓተ ሜትር ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፥ ነቲ መሰውኢ ድማ ብዝግባ ኸደኖ።</verse>
				<verse number="21">ሰሎሞን ከዓ ነቲ ቤተ መቕደስ ብውሽጡ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ ዝጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፥ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብወርቂ ዝተለበጠ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ቤተ መቕደስ ብምሉኡ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ፥ ንዅሉ እቲ ቤተ መቕደስ ውሽጡ ብወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መሰውኢውን ብምሉኡ ብወርቂ ለበጦ።</verse>
				<verse number="23">ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ካብ ኣውሊዕ ዝተፀረቡ ኽልተ ኪሩቤል ገበረ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ኪሩቤል ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ኽልተ ኽንፊ ነበሮ። ካብ ጫፍ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም መጠኖም ሓደ፥ ምስሎም ከዓ ሓደ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ክልቲኦም እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ነቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሐን ነበራ፤ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ነቲ ሓደ መንደቕ ነኽኦ፤ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ነኽኦ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተራኸባ።</verse>
				<verse number="28">ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።</verse>
				<verse number="29">ንዅሉ መንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስንውን ብውሽጡ ምስልታት ኪሩቤልን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀሉ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ምድሪ ቤት ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስን ድማ ብውሽጥን ብወፃእን ብወርቂ ለበጦ።</verse>
				<verse number="31">ንደገ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኻብ ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኽልተ መዓፁ ገበረሉ። ላዕለዋይ ልዳቱ ድማ መልክዕ ቐስቲ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="32">ነተን ክልተ መዓፁ ኸዓ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀለን፤ ብወርቂውን ለበጠን፤ ነቲ ኪሩቤልን ነቲ ስየን ድማ ብረቂቕ ወርቂ ለበጦ።</verse>
				<verse number="33">ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብ ኦም ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ልዳውቲ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ኦም ፅሕዲ ኽልተ ማዕፆ ገበረሉ። ክልቲኡ እቲ መዓፁ ድማ ዝዕፀፍ ክፋል ነበሮ።</verse>
				<verse number="35">ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ፍኹኽ ዕምበባን ቀረፀሉ። ነቲ ቕርፅታት ከዓ ማዕረ ገይሩ ብወርቂ ለበጦ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="37">እቲ ቤት እግዚኣብሄር፥ ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ።</verse>
				<verse number="38">ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ቡል፥ እቲ ቤተ መቕደስ ብዅሉ ኽፍልታቱን ከምቲ ዝተመደበ ዅሉን ተፈፀመ። ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ምህናፅ ዝወድአሉ ጊዜ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ሰሎሞን ንቤቱ ብዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ሰሪሑ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="2">ምንዋሑ ኣርብዓ ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝኾነ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ሰርሐ። እቲ ኣዳራሽ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕማድ ዝግባ ነበሮ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰረገላታት ድማ ፅሩብ ሰረገላታት ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ናሕሱ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓምዲ ዝነበረ ሰረገላታት ብዝግባ ዝተሰርሐ ናሕሲ ነበረ፤ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ፥ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ክልቲኡ መንደቕ እቲ ህንፃ ተር ዝበለ ሰሰለስተ መስርዕ መስኮት ነበሮ፤ እቲ መሳዅቲ ኸዓ መነፃፅርቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ደገታትን ልዳውትን ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ እቲ ኣብ ክልቲኡ መንደቕ ዝነበረ ተር ዝበለ ሰለስተ መስርዕ መሳዅቲ ኸዓ መረኣእይቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ፥ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝምግፋሑ ብኣዕማድ ገይሩ ድማ ኣዳራሽ ሰርሐ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፥ ኣብ ቅድሚ እዙይ ከዓ ኣዕማድን መሳልልን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ከምኡ ኸዓ መጋባእያ ዝወፀሉ፥ ፍርዲ ዝህበሉ ኣዳራሽ ዙፋን ወይ ኣዳራሽ ፍርዲ ዝበሃል ሰርሐ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እታ ንሱ ዝቕመጠላ ቤት ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መካበብያ ብድሕሪ እቲ ኣዳራሽ ከምኡ ኾይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርዖን ከዓ ኸምዝ ኣዳራሽ እዙይ ዝበለ ቤት ሰርሐላ።</verse>
				<verse number="9">እዝ ዅሉ ህንፃታትን እቲ ዓብዪ መካበብያን ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ ወሰን፥ በቲ ብልክዕ ዝተፀርበ፥ ብውሽጥን ብደገን ብመጋዝ ዝተቘርፀ ኽቡር ኣእማን ተሰርሐ።</verse>
				<verse number="10">እቲ መሰረት ድማ ብዝኸበረ ዓበይቲ ኣእማን ተሰረተ፤ እቲ ኣእማን ከዓ ገሊኡ ዓሰርተ፥ ገሊኡ ድማ ሸሞንተ እመት ዝምንዋሑ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብልክዕ ዝተፀርበ ኽቡር ኣእማንን ሉሕ ዝግባን ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዓብዪ መካበብያ ድማ ብዙርያኡ ኸምቲ ናይ ውሽጢ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም መካበብያ ቤተ መንግስትን ሰለስተ ዙርያ ዝተፀርበ ኣእማንን ሓደ ዙርያ ዝተፀርበ ሉሕ ዝግባን ነበሮ።</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንኪራም ካብ ጢሮስ ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኻብ ሓንቲ መበለት ካብ ነገድ ንፍታሌም ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወልደ ነበረ። ኣቦኡ ኸዓ በዓል ጢሮስ፥ ኣንጠረኛ ነሃስ ነበረ። ንሱ ድማ ዅሉ ስራሕ ነሃስ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መፂኡ ኸዓ፥ ኵሉ ስራሕ ሰርሐሉ።</verse>
				<verse number="15">ኪራም ቁመቱ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ዝኾነ ኽልተ ዓምዲ ነሃስ ሰርሐ። መጠን ዙርያኡ ድማ ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ዝቕመጥ ድማ ኻብ ዝፈሰሰ ነሃስ ኽልተ ጕልላት ሰርሐ። ቁመት እቲ ሓደ ጕልላት ሓሙሽተ እመት፥ ቁመት እቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ሓሙሽተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ድማ ኸም ስርሓት መንፊት ዝበለ ዓይኒ ርግብን ከም ስርሓት ሰንሰለት ዝበለ ትንጎን ነበሮ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ክኸድን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይኒ ርግቢ፥ ክልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፤ ነቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ከምኡ ገበሮ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ መሲሉ ዝተሰርሐ፥ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕማድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይኒ ርግቢ ዘሎ ዅዕሶ ዝመስል ጕልላት፥ ኣብ ዙርያኡ ብመስርዕ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኣዕማድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቖሞ። ነቲ የማናይ ዓምዲ ተኺሉ ያቁም ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀጋማይ ዓምዲ ተኺሉ ድማ በለዝ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ ዝመስል ስርሓት ነበረ። በዝ ኸምዙይ ስራሕ ኣዕማድ ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="23">ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኸዓ ኸቢብ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ፤ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ሰንጣቒቱ ዓሰርተ እመት፥ ዙርያኡ ኸዓ ሰላሳ እመት፥ ዕምቈቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ናይ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ክልተ መስርዕ ገይፂ ገበረሉ። ኣብ ሓሓንቲ እመት ዓሰርተ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ነበረ። እዙይ ድማ ብሓደ ፈሲሱ ምስኡ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ኸዓ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተውን ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ጋት ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕ፥ ከም ዝዓምበበ ዕምበባ ተኸርኪሙ ነበረ። ኣርብዓ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ይሕዝ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ብነሃስ ገይሩ ኸዓ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ገበረ፤ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ኣርባዕተ እመት፥ ቁመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="28">እቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ በርባዕተ መኣዝን ተገጣጢሙ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ኣብ መንጎ እቲ መጋጠሚ ድማ ምስሊ ኣናብስን፥ ኣብዑርን፥ ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ላዕላዩ ኸዓ ኸምኡ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቶም ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ኸም ትንጎ ዝተገብረ ቘፅሊ ተንጠልጢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነሃስ፥ ንእኡ ዝሕዝ ኣርዑት ነሃስ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸዓ መንኰራዅር ነበሮ፤ እቲ መንኰራዅር ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትንጎ ቘፅሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ገበራ ዝተኸብሰ ኸቢብ ከንፈር ነበሮ። ካብቲ መቐመጢ ኣቕሓ ንላዕሊ ፍርቂ እመት፥ ንታሕቲ ድማ ስድሪ ዝኣተወ ነበረ። ብዙርያኡ ኸዓ ገይፂ ነበሮ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ኣርባዕተ መንኰራዅር ድማ ምስቲ መገጣጠሚ ብሓደ ለጊቡ ዝተሰርሐ ነበረ፤ ነናይ ሓደ መንኰራዅር ቁመትውን እመትን ስድርን ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ስርሓት እቲ መንኰራዅር ድማ ኸም ስርሓት መንኰራኵር ሰረገላ ነበረ፤ መትሓዚኡን ተሽከርካሪኡን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኵሉ ብ ዝፈሰሰ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ምስኡ ፈሲሱ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነበሮ።</verse>
				<verse number="35">ኣብ ርእሲ እቲ መቐመጢ ኣቕሓ ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቑመቱ ምሉእ ዘንጊ ነበሮ፤ እቲ መደገፊኡን እቲ መገጣጠሚኡን ፈሲሱ ምስኡ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ገፅ እቲ መደገፊኡን መገጣጠሚኡን ኣብቲ ስፍራ ዝረኸበሉ ብዙርያኡ ምስሊ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ትንጎ ቘፅልን ቀረፀሉ።</verse>
				<verse number="37">ከምዙይ ገይሩ ዓሰርተ መቐመጢ፥ ምፍሳሱ ሓደ፥ ልክዑ ሓደ፥ መልክዑ ሓደ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="38">ኣብተን ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ ዝኾና ዓሰርተ ገበራታት ነሃስ ሰርሐ፤ ሓደ ገበራ ሸሞንተ ሚእቲ ሊትሮ ይሕዝ፤ ሰንጣቒቱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="39">ነቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ፥ ሓሙሽተ ኸዓ ብወገን ሰሜን፥ ነቲ ጋብላ ድማ ብወገን ደቡብ ምብራቕ ናይታ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="40">ከምኡውን ኪራም ገበራታትን መፅሓሪያታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ዅሉ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ፤</verse>
				<verse number="41">ክልተ ኣዕማድ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕማድ ከዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ልዕሊ ኣዕማድ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ኽልተ ጕልላት ዘጊፃ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ፥</verse>
				<verse number="42">ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነንሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዙርያ ሮማን ገበረ።)</verse>
				<verse number="43">ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ፥ ዓሰርተ ገበራ፥</verse>
				<verse number="44">ሓደ ጋብላ፥ ነቲ ጋብላ ዝፆሩ ዓሰርተ ኽልተ ብዕራይ፥</verse>
				<verse number="45">ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ነበሩ። እዝ ዅሉ ኪራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብፅሩይ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="46">እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ፃርታን፥ ኣብ ድዃ መሬት ሰርሖ።</verse>
				<verse number="47">ኵሉ እቲ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ ሰሎሞን እንተይመዘነ ሓደጎ፤ ሚዛን ናይቲ ኣቑሑ ኸዓ ኣይተፈልጠን።</verse>
				<verse number="48">ከምኡውን ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ኣስርሐ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሕብስቲ ቝርባን ዝቕመጠሉ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰደቓ፥</verse>
				<verse number="49">እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቀዋሚ ቐናዲል፥ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ዕምበባታትን ቅልዒ ቐናዲልን መሳወሪኡን፥</verse>
				<verse number="50">ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ፅዋዓትን መሳቐይታትን ጭሐሎታት ፅንሃሃትን መፅሓሪታትን፥ ብወርቂ ዝተገብረ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን፥ ናይ መቕደስ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ።</verse>
				<verse number="51">ንጉስ ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄር ሓኒፁ ምስ ወድአ፥ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝወፈዮ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ኣምፂኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም።</verse>
				<verse number="2">ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ወርሒ ኤታኒም ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣደየብዎ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ናብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ኽቝፀራ ዘይኽእላ ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ካህናት ድማ፥ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝነበሮ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መፃውሩን ከደንዎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ መፃውሩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ፅላት እምኒ ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="10">እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወፁ፥ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ቤተ መቕደስ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ ግና፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ሰሎሞን “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፀሊም ደመና ኸም እትነብር ተዛሪብካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኸዓ ንስኻ እትነብረሉ ቤት፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግፅ ሃኒፀልካ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቲ ንጉስ ገፁ መሊሱ ነቲ ጉባኤ እስራኤል ባረኾ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">“ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄርውን ነቦይ ዳዊት ‘ንስመይ ቤተ መቕደስ ክትሰርሕ ብልብኻ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ።</verse>
				<verse number="19">ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝውፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐለይ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ቤተ መቕደስ እትሰርሐለይ’ በሎ።</verse>
				<verse number="20">“እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ኣፅንዖ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተልዓልኩ፤ ኣብ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ፤ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤተ መቕደስ ሰሪሐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ኣብኡ ድማ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ዘለዎ ታቦት ዝኸውን ስፍራ ኣዳለኹ።”</verse>
				<verse number="22">ሰሎሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ኵሎም ጉባኤ እስራኤል እናረአዩ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ።</verse>
				<verse number="23">ከምዙይውን በለ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ንዝኸዱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ እውን ኣብ ታሕቲ ንኣኻ ዝመስል ኣምላኽ የለን።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተዛረብካዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።</verse>
				<verse number="25">“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብትእዛዛተይ እንተ ነበሩ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ሓሉ።</verse>
				<verse number="26">ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፥ በይዛኻ፥ እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተናገርካዮ ቓል ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="27">“ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ? እንሆ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዘለዉ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ?</verse>
				<verse number="28">ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ናብ ፀሎት ባርያኻን ምህለላኡን ተመልከት፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ።</verse>
				<verse number="29">ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።</verse>
				<verse number="31">“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ድማ ኸም ፅድቁ ኽፈሎ።</verse>
				<verse number="33">“ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ምስ ተስዓሩ እሞ፥ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥</verse>
				<verse number="34">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም።</verse>
				<verse number="35">“ንኣኻ ብምብዳሎም ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናምውን እንተ ዘይዘነመ መከራ ስለ ዘፅናዕኻሎም፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ንስምካውን እንተኽበሩ፥ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።</verse>
				<verse number="37">“ኣብ ምድሪ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ወይ ፌራ እንተ ኾነ፥ ዋግ ወይ ሃጒ ወይ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኾነ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀሞ፥</verse>
				<verse number="38">ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥</verse>
				<verse number="39">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን።</verse>
				<verse number="40"></verse>
				<verse number="41">“ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ሓይልኻን ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ክሰምዑ እዮም እሞ፥ ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር መፂኡ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እንተ ፀለየ፥</verse>
				<verse number="42"></verse>
				<verse number="43">ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="44">“ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም እሞ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍትሒ ግበረሎም።</verse>
				<verse number="46">“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ፥ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥</verse>
				<verse number="47">ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ዘለዉ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ጌርና ኢና፥ በዲልና ኢና፥ ክፉእ ጌርና ኢና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥</verse>
				<verse number="48">ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥</verse>
				<verse number="49">ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ቦታ ዄንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም።</verse>
				<verse number="50">ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም።</verse>
				<verse number="51">ንሳቶም ካብ ግብፂ ኻብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="52">“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብፂ ክተውፅኦም እንተለኻ ብባርያኻ ሙሴ ዝተዛረብካዮ፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ክኾኑ፥ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፥ ናባኻ ብዝፅውዕዎ ዅሉ ኽትሰምዖም፥ ኣዒንትኻ ናብ ምህለላ ባርያኻን ናብ ምህለላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።”</verse>
				<verse number="53"></verse>
				<verse number="54">ሰሎሞን ነዝ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረቦ ፀሎትን ምህለላን ምስ ወድአ፥ ካብ ቅድሚ እቲ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ፥ ካብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተስአ፤</verse>
				<verse number="55">ደው ኢሉ ኸዓ ንዅሉ ጉባኤ እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዙይ ኢሉ ባረኾም፦</verse>
				<verse number="56">“ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን።</verse>
				<verse number="57">እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገናን ኣይደርብየናንውን።</verse>
				<verse number="58">እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ።</verse>
				<verse number="59">እቲ ንኣይ ንባርያኡን ንህዝቡ እስራኤልን ነንዕለቱ ዘድሊ ምሕረት ምእንቲ ኽገብረልና፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተማህለልክዎ ፀሎት፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይብፃሕ።</verse>
				<verse number="60"></verse>
				<verse number="61">ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ክትሕልዉ፥ ልብኹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፍፁም ይኹን።”</verse>
				<verse number="62">እቲ ንጉስን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="63">ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዝስዋእ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን ኣቕረበ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ ንጉስን ኵሎም እስራኤልን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።</verse>
				<verse number="64">በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዘሎ ማእኸላይ ኣፀድ ባረኾ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ነሃስ ስለ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ሰውኦ።</verse>
				<verse number="65">በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ።</verse>
				<verse number="66">በታ ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፤ ንሳቶም ከዓ ንንጉስ መረቕዎ፤ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ደስ ኢልዎም ብሕጉስ ልቢ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ነቲ ኹሉ ሰሎሞን ክሰርሖ ብልቡ ዝተመነዮን ሰሪሑ ምስ ፈፀመ፥</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ገባዖን ንሰሎሞን ዝተገለፀሉ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ተገለፀሉ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን።</verse>
				<verse number="4">“ንስኻ ድማ፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፥ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ከዓ ኽትሕሉ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንፅህና ልብን ብቕንዕናን ዝነበረ፥ ኣብ ቅድመይ እንተ ነበርካ፥</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ዝበልክዎ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="8">እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ድማ፥ የመና እኳ ልዕል ልዕል እንተበለት፥ ብኣኣ ዝሓልፉ፥ ብኣኣ ኽግረሙን ‘ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣንስ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገበረን?’ ክብሉ እዮም፤</verse>
				<verse number="9">እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፥ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ብዕስራ ዓመት ሰሪሑ ፈፀመን።</verse>
				<verse number="11">ኪራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ክንዲ ዝደለዮ ኦም ዝግባን ኦም ፅሕድን ክንዲ ዝደለዮ ወርቅን ዝደለዮ ዅሉን ሂቡዎ ነበረ፤ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንኪራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሃቦ።</verse>
				<verse number="12">ኪራም ከዓ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክሪአን፥ ካብ ጢሮስ ወፀ፤ ግና ደስ ኣይበላኦን፤</verse>
				<verse number="13">“ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዝኸተማአን እየን” ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸዓ፥ ምድሪ ከቡል ኢሉ ሰመየን።</verse>
				<verse number="14">ኪራም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ጌዝር፥ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ ዝሓዛ፥ ብሓዊ ኣቃፂሉ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነዓናውያን ከዓ ቐቲሉ፥ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ኣግዚምዋ ዝነበረት ከተማ እያ።</verse>
				<verse number="17">ሰሎሞን ከዓ መሊሱ ሰርሓ። ከምኡውን በቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ንታሕተዋይ ቤት ሓሮንን፥</verse>
				<verse number="18">ንባዕላትን ነታ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ ዘላ ተድሞርን፥</verse>
				<verse number="19">ንዅለን እተን ሰሎሞን ስንቂ ኣኪቡለን ዝነበረ ኸተማታት መዛግብትን፥ ከተማታት ሰረገላታትን ከተማታት ፈረሰኛታትን፥ ነቲ ኸም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="20">ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሃዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ኵሎም ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ህዝቢ፥</verse>
				<verse number="21">ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም።</verse>
				<verse number="22">ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="23">እዚኣቶም ነቶም ኣብ ስራሕ ሰሎሞን ዝሰርሑ ህዝቢ ዝእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።</verse>
				<verse number="24">ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ።</verse>
				<verse number="25">ሰሎሞን ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ የቕርብ ነበረ፤ ምስኡ ኸዓ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዕጣን ይዓጥን ነበረ። ነቲ ቤት ድማ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="26">ንጉስ ሰሎሞን ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፥ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔፅዮንጋብር መራኽብ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="27">ኪራም ድማ ኣብተን መራኽብ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ዝሰርሑ ናይ ባሕሪ ነገር ዝፈልጡ መርከበኛታት ኣገልገልቱ ሰደደ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ኦፊር ከይዶም ከዓ ኻብኣ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ንግስቲ ሳባ ድማ፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝወፀሉ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ መፀት።</verse>
				<verse number="2">ክትመፅእ እንተላ ኸዓ ምስ ብዙሕ ጕዕዞ፥ ቀመማት ዝተፅዓና ኣግማልን ሰረገላታትን የመና ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣፅዒና ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣፃወተቶ።</verse>
				<verse number="3">ሰሎሞን ከዓ ንዅሉ ጥያቐኣ መለሰላ፤ ክምልሰላ ዘይከኣለ ኻብኡ ዝተሰወረ ነገር ድማ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="4">ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን ምስ ረአየት፥</verse>
				<verse number="5">መብልዕ ማእዱን ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኣቶምን ንኣሰለፍቲ ወይንን፥ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።</verse>
				<verse number="6">ንንጉስ ከዓ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="7">መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝሪኦ ግና ነቲ ዘረባ ኣይኣምኖን ነበርኩ፤ እንተ ኾነ ፍርቂ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ዝበዝሕ ጥበብን ሃብትን ኣለካ።</verse>
				<verse number="8">እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።</verse>
				<verse number="10">ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ዕንቊን ሃበቶ፤ ብድሕሪኡ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ብዝሒ ቐመማት ከቶ ኣይመፀን።</verse>
				<verse number="11">[እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኣ መራኽብ ኪራም ከዓ የመና ብዙሕ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምፅኣ ነበራ።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ዝኸውን መጋረዲታት፥ ንመዘምራን ዝኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕንፀቲ ሰንደል ኣይመፀን፤ ከምኡውን ኣይተርኣየን።]</verse>
				<verse number="13">ብዘይ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ከም ልማድ ንጉስ ብልግሲ ዝሃባ፥ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዅሉ ዝደለየቶ ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ኣገልገልታ ናብ ሃገራ ተመለሰት።</verse>
				<verse number="14">ብዘይ እቲ ግብሪ ዘገብሩ ሰባትን ነጋዶን ነገስታት ዓረብን ኵሎም ሹመኛታት ምድርን ካብ ዘምፅእዎ፥ ካልእ በብዓመቱ ንሰሎሞን ዝመፀሉ ወርቂ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ዳርጋ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ።</verse>
				<verse number="17">ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽቱ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ድማ ዳርጋ ኽልተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትብሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="18">ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ኣስርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ዙፋን ሽዱሽተ መደያይቦ ነበሮ፤ ርእሲ እቲ ዙፋን ከዓ ብወገን ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ ብኽልቲኡ ወገን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጐኒ እቲ መደገፊ ኣእዳው ከዓ ኽልተ ምስልታት ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን።</verse>
				<verse number="21">ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ሰሎሞን ምስ ንጉስ ኪራም ኣብ ባሕሪ፥ መራኽብ ንግዲ ነበራኦ እሞ፥ እተን መራኽብ ንግዲ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳዕ ይመፃ ነበራ።</verse>
				<verse number="23">በዝ ኸምዙይ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዝዓበየ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ክሰምዕ፥ ገፅ ሰሎሞን ክርኢ ብዓለሙ ይምነ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">በብዓመቱ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ገፀ በረኸት ሒዙ ድማ ይመፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ሰሎሞን ሰረገላታትን ኣፍራስን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትንውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ኣብ ከተማታት ሰረገላ፥ ንገሊኣቶም ድማ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="27">እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ምብዛሑ ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ግብፅን ካብ ቂልቅያን በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ በእዳዎም የምፅኡሎም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፥ ሞኣባውያን፥ ኣሞናውያን፥ ኤዶማውያን፥ ሲዶናውያን፥ ኬጢያውያን ፈተወ።</verse>
				<verse number="2">እዚኣተን ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግፅ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ናብኣቶም ኣይትኪዱ፥ ንሳቶምውን ናባኻትኩም ኣይምፅኡ” ምስ ዝበሎም ኣህዛብ፥ ሰሎሞን ብፍቕረን ተትሓዘ።</verse>
				<verse number="3">ሸውዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱውን ንልቡ ኣዘንበላኦ።</verse>
				<verse number="4">ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="5">ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ሲዶናውያን ንኣስታሮትን፥ ንርዅሰት ኣሞናውያን ንሚልኮምን ተኸተለ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ዳዊትውን ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ብምኽታል ፍፁም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="8">ንዅለን እተን ጓኖት ኣንስቱ ኸምኡ ሰርሐለን፤ ንሳተን ከዓ ንኣማልኽተን ይዓጥናን ይስውኣን ነበራ።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ ኽልተ ሻዕ ዝተገለፀሉ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ልቡ ስለ ዘርሓቐ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="10">ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኽ ኣዚዝዎ እንተ ነበረ እኳ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዘይሓለኻዮ፥ ነዛ መንግስቲ ብርግፅ ካባኻ መቒለ ንሓሽከርካ ኽህቦ እየ በሎ።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ፤ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ።</verse>
				<verse number="13">ግና ነታ መንግስቲ ኹላ ኣይመቕላን እየ፤ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶምያስ ንዝኾነ ሰብ ንሃዳድ ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ፀላኢ ገይሩ ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="15">ዳዊት ንኤዶምያስ ምስ ሰዓራ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊቱ ነቶም ቅቱላት ክቐብር ከይዱ ነበረ። ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ከዓ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣብን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ክሳዕ ዘጥፍኡ፥ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="17">ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ካብ ምድያም ተልዒሎም ከዓ ናብ ፋራን ከዱ፤ ካብ ፋራን ድማ ምስኣቶም ሰባት ወሲዶም ናብ ግብፂ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዱ፤ ንሱ ኸዓ ቤት ሃቦ፤ ቀለብውን ኣዘዘሉ፤ ምድሪ ድማ ሃቦ።</verse>
				<verse number="19">ሃዳድ ከዓ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፤ ንሱ ድማ ሓፍቲ ሰበይቱ፥ ሓፍቲ ንግስቲ ቴቄምናስ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።</verse>
				<verse number="20">እዛ ሓፍቲ ቴቄምናስ ከዓ ጌንባት ዝበሃል ወዲ ወለደትሉ። ንግስቲ ቴቄምናስ ድማ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣዕበየቶ፤ ጌንባት ከዓ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣብ ማእኸል ደቂ ፈርዖን ዓበየ።</verse>
				<verse number="21">ሃዳድ ድማ ኣብ ግብፂ እንተሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፥ ምስ ሰምዐ፥ ንፈርዖን “ናብ ሃገረይ ክኸይድስ ኣሰናብተኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ፈርዖን ግና “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፥ ምሳይ እንተለኻ እንታይዶ ጐዲሉካ እዩ?” በሎ። ሃዳድ ከዓ “ሓደ እኳ ኣይጐደለንን፤ ግና ክኸይድ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። ሃዳድ ድማ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ነገር እዙይ እዩ፤ ንእስራኤል ኣጨነቖም፤ ኣብ ኤዶምያስውን ነገሰ።</verse>
				<verse number="23">ኣምላኽ ድማ ኻልእ ንሰሎሞን ዝፃረር ንሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተስአሉ። ንሱ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ኣድርኣዛር ንጉስ ሱባ ዝሃደመ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ሬዞን በታ ዳዊት ንሰብ ሱባ ዝቐተለላ ጊዜ፥ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ሽፍታ ኾነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ከዓ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ድማ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ ኸምቲ ናይ ሃዳድ ክፉእ እናገበረ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ፀረ እስራኤል ኮይኑ ነበረ። ንእስራኤል ድማ ይፅየፎ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸዓ ነገሰ።</verse>
				<verse number="26">ከምኡውን ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ በዓል ሳሪራ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ከድዐ። ንሱ ወዲ ሓንቲ ፅሩዓ እትብሃል መበለት ነበረ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝገበሮ ዓመፅ ምኽንያቱ ኸምዙይ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ሚሎን ሰርሖ፤ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ ኸተማ ኣቦኡ ዳዊት እውን ፀገኖ።</verse>
				<verse number="28">ኢዮርብዓም ድማ ፅኑዕ ሓያል ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከዓ እቲ ጐበዝ ትጉህ ሰራሕተኛ ኸም ዝኾነ ሪኡ፥ ኣብ ልዕሊ ስራሕ እቶም ነገድ ዮሴፍ ሸሞ።</verse>
				<verse number="29">ኮነ ድማ፥ ኢዮርብዓም ካብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ ነቢይ ኣኪያ በዓል ሴሎ ኸዓ ኣብ መንገዲ ረኸቦ። ኣኪያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከዓ ንበይናቶም ኣብ ሜዳ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ኣኪያ ኸዓ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ኽፍሊ ቘራረፆ።</verse>
				<verse number="31">ንኢዮርብዓም ከዓ “ዓሰርተ ቝራፅ ንኣኻ ውሰድ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክወስዳ እየ፤ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ።</verse>
				<verse number="32">ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን።</verse>
				<verse number="33">እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ።</verse>
				<verse number="34">ግና ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ባዕለይ ዝሓረኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ደኣ ንጉስ እገብሮ እምበር፥ ነታ መንግስቲ ብዅላ ኻብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ።</verse>
				<verse number="35">ግና ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዳ እየ፤ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="36">ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኽስመ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ንባርያይ ዳዊት ኵሉ ዘመን ኣብ ቅድመይ መብራህቲ ክኾነሉ፥ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።</verse>
				<verse number="37">ንኣኻ ድማ ክወስደካ እየ፤ ነፍስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፈተወቶ ኽትነግስ እያ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="38">ኵሉ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰሚዕኻ ብመንገደይ ከዓ እንተ ኼድካ፥ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝኾነ እንተ ጌርካ፥ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸዓ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኹሉ፥ ንኣኻውን ፅንዕቲ ቤት ክሰርሐልካ እየ። ንእስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፤</verse>
				<verse number="39">ስለዙይ ንዘርኢ ዳዊት ከጨንቖ እየ፤ ግና ንዅሉ ዘመን ኣይኮነን’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="40">ስለዙይ ሰሎሞን ንኢዮርብዓም ክቐትሎ ደለየ፤ ኢዮርብዓም ግና ተሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ሃደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከዓ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="41">እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጥበቡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ሰሎሞን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="42">ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="43">ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ኸንግስዎ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ (ንሱ ኻብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብፂ ይቕመጥ ነበረ)።</verse>
				<verse number="3">ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥</verse>
				<verse number="4">“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣንበረልና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዘአልካ ኢና” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ድማ “ኪዱ እሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ተማኸረ።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሎሚ ሓሽከር እንተ ዄንካዮም፥ እንተ ኣገልጊልካዮም፥ ምላሽ ድማ እንተ ሂብካዮም፥ ፅቡቕ ቃልውን እንተ ተዛሪብካዮም፥ ንሳቶም ንሓዋሩ ኣገልገልቲ ክኾኑኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩን ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይን ተማኸረ።</verse>
				<verse number="9">“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መናእሰይ ከዓ፥ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፥ ንስኻ ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ብርቱዕ ምላሽ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="14">“ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="15">ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኸቝሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ፈለጡ፦ እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ “ምስ ዳዊት እንታይ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይከ እንታይ ርስቲ ኣለና? ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ገዛኻ ሓሉ” ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="17">ሮብዓም ግና ኣብቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።</verse>
				<verse number="18">ንጉስ ሮብዓም ንኣዶኒራም ነቲ ግብሪ ዘኽፍል ሰደዶ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ግና ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ሞተውን። ንጉስ ሮብዓም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሃደመ።</verse>
				<verse number="19">በዝ ኸምዙይ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ኸዲዖም ይነብሩ።</verse>
				<verse number="20">ኵሎም እስራኤል ኢዮርብዓም ከም ዝተመለሰ ምስ ሰምዑ፥ ልኢኾም ናብቲ ጉባኤ ፀውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ። ብዘይ ነገድ ይሁዳ ንቤት ዳዊት ዝሰዓበ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="21">ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዘላ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ኵላ ቤት ይሁዳን ካብ ነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።</verse>
				<verse number="22">ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሳማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦</verse>
				<verse number="23">“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንዅላ ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="24">‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ’ ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ሰምዑ፤ ከም ቃል እግዚኣብሄርውን ተመሊሶም ከዱ።</verse>
				<verse number="25">ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ።</verse>
				<verse number="26">ኢዮርብዓም ድማ ብልቡ “ሕዚ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውኡ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ደየቡ፥ ልቦም ናብ ጐይታኦም ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ፤ ንኣይ ክቐትሉኒ እዮም፥ እዛ መንግስቲ ድማ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ሓደ ኣብ ቤቴል ኣንበሮ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ ኣብ ዳን ገበሮ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ህዝቢ ኽሰግዱ ኽሳዕ ዳን ይኸዱ ነበሩ እሞ ንጣዖት ብምምላኾም ሓጢኣት ገበሩ።</verse>
				<verse number="31">ኣብ ኰረብታታትውን ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዘይኮኑ ኸዓ፥ ካብቲ ማንም ህዝቢ ኻህናት ገበረ።</verse>
				<verse number="32">ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም።</verse>
				<verse number="33">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ።</verse>
				<verse number="3">በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ምልክት እዙይ እዩ፦ “እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኽፈስስ እዩ” ኢሉ ምልክት ሃበ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከም ዝሃቦ ምልክት ድማ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ወደቐ። እቲ ሓሙዅሽቲውን ፈሰሰ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “እዛ ኢደይ ክትሓውስ በይዛኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነለይ፤ ምእንታይ ከዓ ፀሊ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ለመነ፤ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ሓወየት፤ ከም ቀደማውን ኮነት።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ፤ ውህብቶውን ክህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ነቲ ንጉስ “እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይውን ኣይትስተ፤ በታ ዝኸድካያ መንገዲውን ኣይትመለስ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ፥ ፍርቂ ገዛኻ እንተ እትህበኒ እኳ፥ ምሳኻስ ኣይኣቱን፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ብኻልእ መንገዲ ድማ ኸደ፤ በታ ናብ ቤቴል ዝመፀላ መንገዲውን ኣይተመለሰን።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ቤቴል ድማ ሓደ ኣረጊት ነቢይ ነበረ። ደቁ መፂኦም ከዓ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዅሉ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ፥ ነቦኦም ነገርዎ፤ እቲ ንንጉስ ዝተዛረቦ ነገርውን ኣዘንተዉሉ።</verse>
				<verse number="12">ኣቦኣቶም ከዓ “በየነይቲ መንገዲኸ ኸደ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኸደላ መንገዲ ኣርአይዎ።</verse>
				<verse number="13">ነቶም ደቁ ኸዓ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉሞ ተቐመጦ።</verse>
				<verse number="14">ደድሕሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ኦም ተቐሚጡ ኸዓ ረኸቦ፤ “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድማ “ነዓናይ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ግና “ ‘ኣብኣ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መንገዲውን ኣይትመለስ’ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ ምሳኻ ተመሊሰ ኣይከይድን እየ፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስቲ ኣረጊት ነቢይ ተመለሰ፤ ኣብ ቤቱ ኣተወ፤ እንጀራ በልዐ፤ ማይውን ሰተየ።</verse>
				<verse number="20">ንሳቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ፥ ነቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ቃል እግዚኣብሄር መፆ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ዓው ኢሉ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንቓለይ ስለ ዝኸዳዕኻዮ፥ ነቲ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝውን ስለ ዘይሓለኻዮ፥</verse>
				<verse number="22">ኣብታ እንጀራ ኣይትብልዐላ ማይ ከዓ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጀራ ስለ ዝበላዕኻ፥ ማይውን ስለ ዝሰተኻ፥ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንጀራ ምስ በልዐን ማይ ምስ ሰተየን፥ እቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ኣድጊ ፀዓነሉ።</verse>
				<verse number="24">ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ነበረ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">እንሆ ኸዓ፥ ዝሓልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ፥ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነቢይ ተቐሚጡላ ዝነበረ ኸተማ መፂኦም ድማ ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኻብ መንገዱ ዝመለሶ ነቢይ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ “ንሱ እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝኸድዐ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ድማ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ሰቢሩ ኸዓ ቐተሎ” በለ።</verse>
				<verse number="27">ንደቁ ድማ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” ኢሉ ተዛረቦም፤ ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉ።</verse>
				<verse number="28">ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ እቲ ኣረጊት ነቢይ ንሬሳ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ፀዓኖ፤ ክበኽየሉን ክቐብሮን ከዓ ናብ ከተማኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብሩ ቐበሮ፤ “ዋይ ሓወይ፥ ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከዓ በኸዩሉ።</verse>
				<verse number="31">ምስ ቀበሮ ንደቁ “እቲ ኣብቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኵለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ንመስገዲ ኢሉ ኣብቲ ዀረብታታት ዝሰርሐን ኣባይትን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ ዝተዛረቦ ብርግፅ ክኸውን እዩ እሞ፥ ምስ ሞትኩ፥ ንኣይ ኣብዛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፤ ኣዕፅምተይውን ኣብ ጥቓ ኣዕፅምቱ ኣንብሩ” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="32"></verse>
				<verse number="33">ብድሕሪዙይውን ኢዮርብዓም ካብ ክፉእ መንገዱ ኣይተመለሰን፤ መሊሱ ደኣ ኣብቲ ዝሰግደሉ ዀረብታታት ዘገልግሉ ኻብቶም ተራ ህዝቢ ኻህናት ገበረ። ኣብቲ ዀረብታታት ብኽህነት ከገልግሉ ንዝደለዩ ዅሎም ክህነት ሃቦም።</verse>
				<verse number="34">እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">በቲ ዘመን እቱይ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ “ንዒ በይዛኺ፥ ሰበይተይ ምዃንኪ ኸይትፍለጢስ፥ ክዳንኪ ለውጢ፤ ናብ ሴሎ ኸዓ ኺዲ። እንሆ፥ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝተዛረበ ነቢይ ኣኪያ ኣብኣ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ዓሰርተ እንጀራን ሕምባሻን ንፅባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዝ ቘልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልፀልኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="4">ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ተሲኣ ናብ ሴሎ ኸደት፤ ናብ ቤት ኣኪያውን ኣተወት። ኣኪያ ግና ኣዒንቱ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ እሞ ኽርኢ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ንኣኪያ “እኒሃ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዳ ኽትጥይቐካ ትመፅእ ኣላ። ንሳ ኻልእ ሰበይቲ መሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፥ ከምዙይ ከምዙይ ኢልካ ተዛረባ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ብደገ ኽትኣቱ እንተላ፥ ኣኪያ ድምፂ እግራ ምስ ሰምዐ፥ “ሰበይቲ ኢዮርብዓም፥ እተዊ ደኣ፤ ስለ ምንታይ ኢኺ ኻልእ ሰበይቲ እትመስሊ? ኣነ ድማ ኸቢድ ወረ ኽነግረኪ ናባኺ ተልኢኸ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በሊዮ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ማእኸል ህዝቢ ሓርየ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ገዛኢ ገበርኩኻ፤</verse>
				<verse number="8">መንግስቲ ድማ ኻብ ቤት ዳዊት መቒለ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና፥ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወ፥ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዅሉ ቕኑዕ ዝኾነ ጥራሕ ከም ዝገበረ፥ ብምሉእ ልቡውን ከም ዝተኸተለኒ፥ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኮንካን።</verse>
				<verse number="9">ካብቶም ቅድሜኻ ዝነገሱ፥ ክፉእ ብምግባር ዝገደድካ ንስኻ ኢኻ፤ ክተቘጥዐኒ ድማ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፤ ንኣይ ግና ንድሕሪት ደርበኻኒ።</verse>
				<verse number="10">“ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ነቲ ኻብ ወገን ኢዮርብዓም ኣብ ከተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውት ከዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።</verse>
				<verse number="12">“ንስኺ ኸዓ ሕዚ ናብ ቤትኪ ኺዲ፤ እግርኺ ኣብታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ እቲ ቘልዓ ኽመውት እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቤት ኢዮርብዓም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብዝ ቘልዓ እዙይ ጥራሕ ፅቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ፥ ንሱ ጥራሕ ከም ስርዓት ክቕበር እዩ፤ ንእኡ ኸዓ ዅሎም እስራኤል እናበኸዩ ኽቐብርዎ እዮም።</verse>
				<verse number="14">“እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝኾኖ ኸተስእ እዩ፤ እቲ ንጉስ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ኢዮርብዓም ከጥፍኣ እዩ። ሕዚ እሞ እንታይ ክግበር እዩ?</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="17">ሰበይቲ ኢዮርብዓም ተሲኣ ናብ ቴርሳ ኸደት፤ ኣብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በፅሐት ድማ እቲ ቘልዓ ሞተ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፥ ብነቢይ ኣኪያ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ ዅሎም እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።</verse>
				<verse number="19">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ታሪክ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከመይውን ከም ዝነገሰን፥ እንሆ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="20">ኢዮርብዓም ዕስራን ክልተን ዓመት ነገሰ፤ ምስ ኣቦታቱውን ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ናዳብ ነገሰ።</verse>
				<verse number="21">ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት እንተሎ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኽፅዋዕ ኢሉ ኻብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ንዓማ በዓልቲ ኣሞን ነበረት።</verse>
				<verse number="22">ህዝቢ ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ድማ ግብረ ሰዶማውያን ነበሩ። ከምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዅሉ ርኽሰት ይገብሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ንጉስ ሮብዓም ሓሙሽተ ዓመት ምስ ነገሰ፥ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቡ ወረራ።</verse>
				<verse number="26">ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ብምሉኡ ወሰደ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዅሉ ዋልታ ወርቂውን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="27">ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም።</verse>
				<verse number="28">እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኸይድ እንተሎ፥ እቶም ሓለውቲ ይስከሙዎም ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ቤት እቶም ሓለውቲ ይመልስዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="30">በቲ ዘመን እቱይ ከዓ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትብሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣብያ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ንጉስ እስራኤል፥ ኣብያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ማዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።</verse>
				<verse number="3">በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፤ ልቡ ድማ ኸም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="4">ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፥ ብድሕሪኡ ወዱ ኸተስእ፥ ንኢየሩሳሌምውን ከፅንዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዝገበረ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኦርዮ ኬጢያዊ ነገር፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣየግለሰን ነበረሞ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ዝተጀመረ ውግእ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወት ኣብያም ቐፀለ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣብያምን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ኣብያም ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ድማ፥ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="10">ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ መዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።</verse>
				<verse number="11">ኣሳ ድማ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።</verse>
				<verse number="12">ንሰዶማውያን ካብ ሃገሩ ኣወገዶም። ነቶም ኣቦታቱ ዝሰርሕዎም ኵሎም ጣዖታት ድማ ኣወገዶም።</verse>
				<verse number="13">ንኖኡ መዓካውን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ንግስትነታ ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖትውን ቈሪፁ ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣንደዶ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዀረብታታት እኳ እንተ ዘየወገዶ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ፍፁም ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ኣቑሑ ብሩርን ወርቅን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ባኦስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንይሁዳ ወረራ። ናብ ይሁዳ ዝኣቱን ዝወፅእን ከይርከብ ኢሉ ድማ ንራማ ዓረዳ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ወሰደ። ብኢድ ኣገልገልቱ ገይሩ ኸዓ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ወልደ ኣዴር ዝበሃል ንጉስ ሶርያ፥ ወዲ ጠብሪሞን ወዲ ኣዚንን፥ ልኢኹ፥</verse>
				<verse number="19">“ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኺዳን ይኹን። እንሆ፥ ገፀ በረከት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽለቅቕስ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ፤ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ድማ ሰራዊቱ ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን፥ ኣቤልቤት መዓካን ኪኔሬትን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን።</verse>
				<verse number="21">ባኦስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓዲጉ ኣብ ቴርሳ ተመሊሱ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናፃ እንተይሓደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተታ። ነቲ ባኦስ ንራማ ዓሪዱሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሲዱ፥ ንጌባ ናይ ብንያምን ንምፅጳን ዓረደን።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ታሪኽ፥ ኵሉ ጅግንነቱን ኵሉ ዝገበሮን፥ ዝሰርሐን ከተማታትን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብጊዜ እርጋኑ ግና ኣእጋሩ ሓመመ።</verse>
				<verse number="24">ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮሳፍጥ ነገሰ።</verse>
				<verse number="25">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ናዳብ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ እስራኤልውን ክልተ ዓመት ነገሰ።</verse>
				<verse number="26">ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን ንእስራኤልውን ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።</verse>
				<verse number="27">ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኻብ ነገድ ይሳኮር ድማ ተመሓሓለሉ። ናዳብን ብዘለዉ እስራኤልን ንገባቶን ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ባኦስ ኣብ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዘሎ ገባቶን ቀተሎ።</verse>
				<verse number="28">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ባኦስ ንናዳብ ቀተሎ፤ ክንድኡ ድማ ነገሰ።</verse>
				<verse number="29">ምስ ነገሰ ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰንኪ እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዖ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ንቤት ኢዮርብዓም ኣጥፍኣ፤ ሓደ እስትንፋስ እንተይሓደገውን ንዅሎም ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="32">ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ከዓ ገዝአ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣትን ከደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ሽዑ ናብ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ብዛዕባ ባኦስ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ከድካ፤ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ከቘጥዑኒ ኣስሓትካዮም።</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ንባኦስን ንገዛኡን ንንየው ክፀርጎም እየ፤ ንገዛኻ ድማ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ወገን ባኦስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኸተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውትውን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።”</verse>
				<verse number="5">እቲ ዝተረፈ ናይ ባኦስ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="6">ባኦስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቴርሳውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኤላ ነገሰ።</verse>
				<verse number="7">ብስራሕ ኢዱውን ንኸቘጥዖ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበሮ ዅሉ ኽፍኣትን ንእኡውን ስለ ዝቐተሎን፥ እቲ ብነቢይ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባኦስን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="8">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሽዱሽተን ዓመቱ ኸዓ ኤላ ወዲ ባኦስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ከልተ ዓመት ድማ ገዝአ።</verse>
				<verse number="9">ግና እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፥ ሓሽከሩ ዘምሪ ተመሓሓለሉ። ንጉስ ኤላ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቴርሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣዛዚ ዝነበረ ኣርሳ ሰትዩ ሰኺሩ ስለ ዝነበረ፥</verse>
				<verse number="10">ዘምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ዘምሪ ንኤላ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።</verse>
				<verse number="11">ዘምሪ ነጊሱ ኣብ ዙፋኑ ምስ ተቐመጠ፥ ሽዑ ንሽዑ ንዅሎም ስድራ ባኦስ ቐተሎም፤ ካብ ዘመዱ፥ ካብ ፈተውቱ ኾነ፥ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="12">ብሰንኪ ዅሉ እቲ ባኦስን ወዱ ኤላን ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ከንቱ ንዝኾኑ ጣዖታት ብምምላኾምን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዕዎን፥ ንእስራኤል ከዓ ስለ ዘስሓትዎን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ባኦስ ዝተዛረቦ ቓል፥ ዘምሪ ንብዘላ ቤት ባኦስ ኣጥፍኣ።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="15">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ዘምሪ ኣብ ቴርሳ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ግና ንናይ ፍልስጥኤማውያን ገባቶን ከቢቦምዋ ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ዝነበሩ ህዝቢ ዘምሪ ኸም ዝዓመፀ ንንጉስውን ከም ዝቐተሎ ሰምዑ። ሽዑ ዅሎም እስራኤል ንዘምበሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ውሽጢ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="17">ዘንበሪን ኵሎም ሰራዊት እስራኤልን ከዓ ኻብ ገባቶን ደዪቦም ንቴርሳ ኸበብዋ።</verse>
				<verse number="18">ዘምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተትሓዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ኣትዩ፥ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣባርዓ።</verse>
				<verse number="19">ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ስለ ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምውን ስለ ዝከደ ሞተ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ዝተረፈ ናይ ዘምሪ ነገርን እቲ ዝገበሮ ሻራን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተኸፈለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንታምኒ ወዲ ጎናት ከንግሶ ሰዓበ። እቲ ፍርቂ ኸዓ ንዘንበሪ ኸንግሶ ሰዓበ።</verse>
				<verse number="22">ንዘንበሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ድማ ነቲ ታምኒ ወዲ ጎናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሓየሎ። ስለዙይ ታምኒ ሞተ፤ ዘንበሪ ድማ ነገሰ።</verse>
				<verse number="23">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ፥ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከዓ ገዝአ። እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቴርሳ ኾይኑ ነገሰ።</verse>
				<verse number="24">ንዀረብታ ሰማርያ ድማ ኻብ ሳምር ብሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዓደጋ፤ ነታ ዀረብታ ዓሪዱ ኸዓ ኣብኣ ኸተማ ሰርሐ፤ ብስም ሳምር ጐይታ እታ ዀረብታ ድማ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="25">ዘንበሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም የመና ኽፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="26">ብዅሉ መንገዲ ኢዮርብዓም ብዘይረብሕ ነገሮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸቘጥዕዎ፥ ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ዝተረፈ ዘንበሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="28">ዘንበሪ ድማ ሞተ፤ ኣብ ሰማርያውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ።</verse>
				<verse number="29">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ።</verse>
				<verse number="30">ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ገበረ።</verse>
				<verse number="31">ብሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኽያድ ንእሽተይ ነገር መሰሎ፤ ንኤልዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፥ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንጣዖት በዓል ኣምለኸ፤ ሰገደሉውን።</verse>
				<verse number="32">ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ንጣዖት በዓል መሰውኢ ኣቖመሉ።</verse>
				<verse number="33">ኣክኣብ ከዓ መምለኺ ዓፀድ ተኸለ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘቘጥዕ ብምግባሩ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።</verse>
				<verse number="34">ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ከይዱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ኳዃት ድማ ንግሆን ምሸትን እንጀራን ስጋን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ካብቲ ሩባ ኸዓ ይሰቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ድማ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ሩባ ነፀፈ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ናብ ሰራፕታ ኸደ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንሆ ዕንፀይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንኣኣ ፀዊዑ ኸዓ “በይዛኺንዶ ቑሩብ ዝስተ ማይ ኣምፅእለይ” በላ።</verse>
				<verse number="11">ክተምፅእ ኢላ ምስ ተልዓለት ድማ መሊሱ ፀዊዑ “ቍራስ እንጀራውን ብኢድኪ ሒዝኪ ንኽትመፂ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።</verse>
				<verse number="12">ንሳ ኸዓ “ብዘይ ሕፍኒ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፥ ቁሩብ ዘይቲ ኸዓ ኣብ መቐርሰሚቶ፥ እንጀራ ኸም ዘይብለይ፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። እኒሀኹ ኸዓ ቑሩብ ዕንፀይቲ እኣሪ ኣለኹ፤ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እየ፤ ንእኡ በሊዕናውን ክንመውት ኢና” በለቶ።</verse>
				<verse number="13">ኤልያስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሕሩጭኪ ኻብ ዕትሮ ኣይውዳእን፤ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶኺ ኣይጐድልን እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ኪዲ፥ ከምቲ ዝበልኪዮ ሰንክቲ፤ ቅድም ግና ኻብቲ ሕሩጭ ንኣይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንኪትኪ ኣምፅእለይ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” በላ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ከይዳ ኸዓ ኸምቲ ቓል ኤልያስ ገበረት። ኤልያስን ንሳን ስድራኣን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል እቲ ሕሩጭ ካብ ዕትሮ፥ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ወዲ እታ መበለት ሓመመ። እስትፋሱ ኽሳዕ ዝስእን እቲ ሕማሙ የመና ኸቢድ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ግና “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ኸዓ ናብታ ዝነብረላ ደብሪ ኣደየቦ እሞ፥ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሻዕ ለጥ ኢሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ በይዛኻ፥ ነፍሲ እዝ ቘልዓ እዙይ ናብ ስጋኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ኤልያስ ሰምዐ፤ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ሓወየ።</verse>
				<verse number="23">ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ።</verse>
				<verse number="24">እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ንኤልያስ “ኬድካ ንኣክኣብ ተርኣዮ እሞ፥ ኣነ ድማ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መፀ።</verse>
				<verse number="2">ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ ክረአዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣክኣብ ድማ ንኣብድዩ ኣዛዚ ቤቱ ፀውዖ። (ኣብድዩ የመና ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።)</verse>
				<verse number="5">ኣክኣብ ከዓ ንኣብድዩ፥ “ምናልባሽ ሳዕሪ እንተ ረኸብና እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ክነድሕን እንተ ኸኣልናስ፥ ኣብዝ ሃገር ናብ ዘሎ ዅሉ ዓይኒ ማያትን፥ ናብ ኵሉ ሩባታትን ንኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ክዀልዋ ድማ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣክኣብ ንበይኑ ብሓደ መንገዲ ኸደ፤ ኣብድዩውን ንበይኑ ብኻልእ መንገዲ ኸደ።</verse>
				<verse number="7">ኣብድዩ ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ ኤልያስ ተራኸቦ፤ ኣለልይዎ ድማ ብገፁ ፍግም ኢሉ “ጐይታይ ኤልያስ ዲኻ ንስኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ “እወ፥ ኣነ እየ፤ ንጐይታኻ ኣክኣብ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ኺድ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣብድዩ ኸዓ “እንታይ ሓጢኣትዶ ገይረ እየ? ንጉስ ኣክኣብ ክቐትለንስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍካ ኽትህበኒ?</verse>
				<verse number="10">ጐይታይ ንጉስ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘየለ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። ‘ኣይረኸብናዮን’ ምስ በልዎ ኸዓ፥ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ድማ ንስኻ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ንጐይታኻ ንገሮ ትብለኒ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="12">ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር።</verse>
				<verse number="13">በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፥ ካብ ነቢያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢአ እንጀራን ማይን መገብክዎም። እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንኣኻ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም?</verse>
				<verse number="14">ሕዚ ኸዓ ንስኻ ‘ናብ ጐይታኻ ኼድካ፥ ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ ኢልካ ንገሮ’ እትብለንስ ክቐትለኒ እንድዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ኤልያስ ድማ “ኣነ ሎሚ ንኣክኣብ ከም ዝርኣዮ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ኣብድዩ ኸዓ ኸይዱ ንኣክኣብ ረኺቡ ነገሮ፤ ኣክኣብ ድማ ንኤልያስ ክረኽቦ ኸደ።</verse>
				<verse number="17">ኣክኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ “ንእስራኤል እትገለባብጦም ዘለኻ ንስኻ ዲኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ኤልያስ ድማ “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ንጣዖት በዓል ብምግልጋልኩምን ንእስራኤል እትገለባብጡ ዘለኹም እምበር፥ ኣነስ ንእስራኤል ኣይገለባበጥኩን።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ነቢያት ጣዖት በዓልን ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣከቦም።</verse>
				<verse number="21">ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፥ “ኻብ ነቢያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣለኹ፤ ነቢያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።</verse>
				<verse number="23">እምበኣር ክልተ ዝራብዓት ይወሃቡና እሞ፥ ንሳቶም ሓደ ዝራብዕ ይሕረዱ፤ ቈራሪፆም ከዓ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ የንብርዎ፤ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ኸንብሮ እየ፤ ሓዊ ግና ኣይኣጕደሉን እየ።</verse>
				<verse number="24">ንስኻትኩም ስም ኣምላኽኩም ፀውዑ፤ ኣነ ድማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክፅውዕ እየ። እቲ ሰሚዑ ብሓዊ ዝምልስ ኣምላኽ ከዓ፥ ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ “እዚኣስ ፅብቕቲ ዘረባ እያ” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="25">ኤልያስ ድማ ነቶም ነቢያት በዓል “ንስኻትኩም ብዙሓት ኢኹም እሞ፥ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፤ ስም ኣምላኽኩም ከዓ ፀውዑ፤ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ኤልያስ፥ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ብሓሳብ ተውሒጡ ኸይህሉ፥ ወይ ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይኸውን፥ ምናልባሽ ከዓ ደቂሱ ኸይህሉ፥ ምእንቲ ኽበራበርስ፥ ዓው ኢልኩም ደኣ ፀውዑ” ኢሉ ኣባጨወሎም።</verse>
				<verse number="28">ዓው ኢሎም ድማ ፀውዑ፤ ከምቲ ስርዓቶም ከዓ ደሞም ክሳዕ ዝፈስስ፥ ንኣካላቶም ብኣስይፍትን ብዂናታትን ተፍተፍዎ።</verse>
				<verse number="29">ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኤልያስ ንዅሎም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸዓ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ።</verse>
				<verse number="31">ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ።</verse>
				<verse number="32">በተን ኣእማን ከዓ ንስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ዝሕዝ ጕድጓድ ኰዓተ።</verse>
				<verse number="33">ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="34">“ካልኣይ ከዓ ኣፍስሱሉ” በሎም። ካልኣይ ድማ ኣፍሰሱሉ። “ሳልሳይውን ኣፍስሱሉ” በሎም። ሳልሳይውን ኣፍሰሱሉ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ማይ ኣብ ዙሪያ እቲ መሰውኢ ወሓዘ፤ እቲ ጕድጓድ ድማ ማይ መልአ።</verse>
				<verse number="36">በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ።</verse>
				<verse number="37">እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ንልባቶም ድማ ናባኻ ኸም ዝመለስካዮ ምእንቲ ኽፈልጡስ ስምዐኒ፤ ኦ እግዚኣብሄር ስምዐኒ” በለ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ።</verse>
				<verse number="39">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።</verse>
				<verse number="40">ኤልያስ ድማ “ንነቢያት በዓል ሓዝዎም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣየምልጥ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓዝዎም። ኤልያስ ድማ ናብ ሩባ ቂሶን ኣውሪዱ ኣሕረዶም።</verse>
				<verse number="41">ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ።</verse>
				<verse number="42">ሽዑ ኣክኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፤ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸዓ ገፁ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፤ ብግምባሩውን ተደፍአ።</verse>
				<verse number="43">ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ውፃእሞ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ወፂኡ ኣማዕድዩ ኸዓ፥ “ዝኾነ እኳ የለን” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ኪድ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለስ በሎ” እቲ ሓሽከሩ ኸዓ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለሰ።</verse>
				<verse number="44">በታ ሻውዐይቲ ጊዜ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ኻብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ደይብካ ንኣክኣብ ‘ዝናም ከይዓግተካ፥ ሰረገላኻ ፅዒንካ ውረድ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰማይ ብደመናን ብመሸምቦባን ፀልመተ፤ ብርቱዕ ዝናም ከዓ ኾነ። ኣክኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ።</verse>
				<verse number="46">ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ኣክኣብ ድማ እቲ ዅሉ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነቢያት ከዓ ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኤልዛቤል ነገራ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።</verse>
				<verse number="3">ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ፅላል እታ ኽሊዐው ከዓ ለጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፥ መልኣኽ ነቕኒቑ “ተስእ እሞ ብላዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="7">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኣበራቢሩ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፥ ተሲእኻ ብላዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።</verse>
				<verse number="9">ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ።</verse>
				<verse number="13">ኤልያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብበርኖሱ ኸደነ፤ ወፂኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፥ ድምፂ ናብኡ መፂኡ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ “ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ክወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ” በለ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ፤ ብምድረ በዳ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመፃእኻያ መንገዲ ተመለስ፤ ኣብ ደማስቆ ምስ በፃሕኻ ድማ፥ ንኣዛሄል ኣብ ሶርያ ኽነግስ ቅብኣዮ።</verse>
				<verse number="16">ንኢዩ ወዲ ናሜሲን ከዓ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ በዓል ኣቤል ሜሆላ ድማ ኽንዳኻ ነቢይ ክኸውን ቅብኣዮ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኻብ ሰይፊ ኣዛሄል ዘምለጠ ኢዩ ኽቐትሎ እዩ፤ ነቲ ኻብ ሰይፊ ኢዩ ዘምለጠ ድማ ኤልሳዕ ክቐትሎ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፥ “በይዛኻ፥ ነቦይን ንኖይን ስዒመ ኽመፅእ እሞ ብድሕሪኡ ኽስዕበካ ፍቐደለይ” በሎ። ንሱ ድማ “ኪድ ተመለስ፤ እንታይዶ ገይረልካ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ካብኡ ተመሊሱ ኸዓ፥ ንኽልቲኦም ኣብዑር ሓረዶም፤ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ መሳርዕ ማሕረስ ኣብሲሉ፥ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ተሲኡ ድማ ንኤልያስ ተኸቲሉ ኸደ፤ የገልግሎውን ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታት ምስ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግኣ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ከተማ፥ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="3">‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን እቶም ዘዝፀበቑ ደቅኻን ናተይ እዮም’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ እስራኤል ከዓ “ጐይታይ ንጉስ ከምቲ ዘረባኻ እዩ፥ ኣነን እቲ ዅሉ ዘለንን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሃበኒ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፤</verse>
				<verse number="6">ግና ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣሕሉቕ ሰራዊተይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፥ ገዛኻን ኣባይቲ ሹመኛታትካን ክጕርጕሩ እዮም። ንዅሉ ደስ ዝበሎምን በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ክወስድዎ እዮም’ ” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ፀዊዑ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነገር ይደልየና ኸም ዘሎ ረአዩ፤ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይ ኣይከላእኽዎን” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም ዓበይትን ኵሉ እቲ ህዝብን “ኣይትስምዓዮ፤ ሕራይውን ኣይትበሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኸዓ ነቶም ልኡኻት ወልደ ኣዴር “ንጐይታይ ንጉስ ‘እቲ ዅሉ ቕድም ንሓሽከርካ ዝለኣኽካለይ ነገር ክገብሮ እየ፤ ግና እዝ ሕዚ ዝበልካዮ ነገር፥ ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ’ በሉለይ” በሎም። እቶም ልኡኻት ከዓ ኸይዶም እዝ ነገር እዙይ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="10">ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ ‘እቲ ኣፅዋር ዝዕጠቕ ከምቲ ኣፅዋር ዝፈትሕ ገይሩ ኣይዘሃርን እዩ’ በልዎ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">ወልደ ኣዴርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኮይኖም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዝ ነገር እዙይ ሰምዑ። ወልደ ኣዴር ድማ ንሰራዊቱ “ተሰለፉ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንፅር እታ ኸተማ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሓደ ነቢይ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይዶ ትሪኦ ኣለኻ? ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ እንሆ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣክኣብ ድማ “ብመን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ብኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር’ ይብል ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። መሊሱ ድማ “ነቲ ውግእኸ መን ይምርሓዮ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ከዓ “ንስኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ነቶም ኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር ቈፀሮም እሞ፥ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኮኑ። ደድሕሪኣቶም ከዓ ንዅሉ ህዝብን ንዅሎም ሰራዊት ደቂ እስራኤልን ቈፀሮም እሞ ሸውዓተ ሽሕ ኮኑ።</verse>
				<verse number="16">ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ወፁ። ወልደ ኣዴር ግና፥ ንሱን እቶም ክሕግዝዎ ዝመፁ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ኣገልገልቲ ኣመሓደርቲ ሃገር ከዓ ቕድም ወፁ። ወልደ ኣዴር ድማ ዝስልሉ ሰደደ እሞ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወፁ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኸዓ “ሰላም ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖም፥ ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ውግእ ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖምውን፥ ብህይወቶም ሓዝዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="19">እዚኣቶም እቶም ኣገልገልቲ መመሓደርቲ ሃገርን እቲ ዝሰዓቦም ሰራዊት እስራኤልን ኮይኖም ካብታ ኸተማ ወፁ።</verse>
				<verse number="20">ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሰብ ቀተለ፤ ሶርያውያን ከዓ ሃደሙ፤ እስራኤላውያን ድማ ሰጐጒዎም። ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ኸዓ፥ ምስ ሓድሓደ ፈረሰኛታት ኮይኑ፥ ብፈረስ ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="21">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ናብ ውግእ ኣትዩ ናይ ፀላእቲ ኣፍራስን ሰረገላታትን ማረኸ። ንሶርያውያን ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣብፅሐሎም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ እቲ ነቢይ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፥ “ንጉስ ሶርያ ነዓመታ ድማ ኽመፀካ እዩ እሞ፥ ኪድ በርትዕ። እንታይ ከም እትገብር ድማ ፍለጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="24">“ሕዚ ግና ነዞም ነገስታት ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፤ ከክንዳኣቶም ድማ ኣሕሉቕ ሹም።</verse>
				<verse number="25">ንስኻ ግና ኸም ብዝሒ እቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ውግእ ዘጥፋእኻዮም ኣፍራስን ሰረገላታትን ሰራዊትን ኣዳሉ። ሽዑ ኣብ ጐልጐል ክንዋግኦም ኢና፤ ብርግፅ ከዓ ኽንስዕሮም ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ ዘረባኣቶም ሰሚዑ ኸምቲ ዝበልዎ ገበረ።</verse>
				<verse number="26">በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ።</verse>
				<verse number="27">ደቂ እስራኤል ድማ ኸተቱ፤ ስንቆም ሒዞምውን ክዎግእዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኽልተ ኣናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንፅሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="29">ሶርያውያንን እስራኤላውያንን ድማ ማዕዶ ንማዕዶ እናተረኣኣዩ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ኾነ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።</verse>
				<verse number="31">ሹመኛታቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ፥ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምናልባሽ ንነፍስኻ እንተ መሓራስ፥ በይዛኻ ኣብ ሕቘና ወጮ ተዓጢቕና፥ ኣብ ርእስና ኸዓ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">ወጮ ተዓጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል መፁ። “ሓሽከርካ ወልደ ኣዴር ‘ንነፍሰይ ክትምሕራ እልምነካ ኣለኹ’ ኢሉ እዩ” ድማ በልዎ። ንሱ ኸዓ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ እዩ? ንሱ ሓወይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">እቶም ሰባት ድማ ነዙይ ፅቡቕ ምልክት ገይሮም ስለ ዝወሰድዎ፥ ተቐላጢፎም “እወ፥ ወልደ ኣዴር ሓውካ ኣሎ እዩ” ኢሎም ብዘረባኡ ሓዝዎ። ንሱ ኸዓ “ኪዱ፥ ኣምፅእዎ” በሎም። ወልደ ኣዴር ድማ ናብኡ መፀ። ኣክኣብ ከዓ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ።</verse>
				<verse number="34">ወልደ ኣዴር ድማ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፥ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ዕዳጋ ግበር” በሎ። ኣክኣብ ከዓ “ኣነ ድማ በዝ ውዕሊ እዙይ ሓራ የውፅአካ ኣለኹ” በሎ። ምስኡ ኺዳን ተኣታትዩ ኸዓ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="35">ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነቢያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንሓደ ብፃዩ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ብፃዩ ግና ምውቃዑ ኣበየ።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ንሱ “ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኻ፥ እንሆ፥ ካባይ ምስ ከድካ፥ ኣንበሳ ኽቐትለካ እዩ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="37">ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ “በይዛኻ፥ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ የመና ስለ ዝወቕዖ ኣቝሰሎ።</verse>
				<verse number="38">እቲ ነቢይ ከዓ ኸይዱ፥ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፥ መልክዑ ለዊጡ፥ ነቲ ንጉስ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ተፀበዮ።</verse>
				<verse number="39">እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ።</verse>
				<verse number="40">ኣነ ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብቱይን እናበልኩ ኽሰርሕ እንተለኹ ድማ እቲ ሰብ ጠፍአ” እናበለ ናብ ንጉስ ጠርዐ። ንጉስ እስራኤል ድማ “ባዕልኻ ኢልካዮ ኣለኻ፤ ፍርድኻ ኸምቲ ውዕልኹም እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ፥ ንሱ ኻብ ነቢያት ከም ዝኾነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="42">ነቲ ንጉስ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኽመውት ዝፈረድክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፥ ክንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ክንዲ ሰራዊቱ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ክጠፍኡ እዮም’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="43">እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጕህዩ፥ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ ኸደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ንኢይዝራኤላዊ ናቡቴ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤት ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።</verse>
				<verse number="2">ኣክኣብ ድማ ንናቡቴ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝኾነት፥ ቦታ ኣታኽልቲ ኽገብሮስ ሃበኒ። ክንድኡ ኸዓ ኻብኡ ዝበልፅ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፥ ወይ እንተ ደሊኻ፥ ብዝተገመቶ ገንዘብ ክህበካ” ኢሉ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="3">ናቡቴ ድማ ንንጉስ ኣክኣብ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።</verse>
				<verse number="5">ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ ናብኡ መፂኣ “ስለ ምንታይ እዩ መንፈስካ ጕህዩ ዘሎ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ “ንናቡቴ ኢይዝራኤላዊ፥ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ደሊኻ ኽንድኡ ኻልእ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፥ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ እንተ በልክዎስ ኣብዩኒ። ‘ኣታኽልቲ ወይነይስ ኣይህበካን እየ’ ኢሉ ስለ ዝመለሰለይ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="7">ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="8">ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።</verse>
				<verse number="9">ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቡቴ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ መንፅሩ ድማ ኽልተ ኸንቱ ዝኾኑ ሰባት ኣቐምጡ። ንሳቶም ከዓ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ፀሪፍካ ኢኻ’ ኢሎም ይመስክሩሉ። ንስኻትኩም ድማ ኻብታ ኸተማ ኣውፂእኹም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ” ኢላ ፀሓፈት።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሰብ ኢይዝራኤልን እቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከምቲ ኤልዛቤል ዝለኣኸትሎም፥ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም መልእኽትታት ተፅሒፉ ዝነበረ ገበሩ።</verse>
				<verse number="12">ፆም ኣዊጆም ንናቡቴ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ “ናቡቴ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ሞይቱ” ኢሎም ንኤልዛቤል ለኣኹላ።</verse>
				<verse number="15">ኤልዛቤል ናቡቴ ተቐጥቂጡ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት ድማ፥ ንኣክኣብ፥ “ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ብህይወቱ የለን፤ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ተስእ፤ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኑ ውረሶ” በለቶ።</verse>
				<verse number="16">ኣክኣብ ድማ፥ ናቡቴ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ተስአ፤ ክወርሶ ከዓ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ዘለዎ ቦታ ወረደ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ ቴስብያዊ ኸምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="18">“ተስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዝነብር ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ ኽወርሶ ኢሉ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ዘለዎ ወሪዱ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ከምዙይ ኢልካ ኸዓ ተዛረቦ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀቲልካዮስ፥ ኣታኽልቲ ወይኑዶ ትወርስ ኣለኻ? እምበኣር፥ ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቡቴ ዝለሓሱላ ቦታ፥ ንደምካ ድማ ኣብኣ ኣኽላባት ክልሕሱ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኣታ ፀላእየይ፥ ረኺብካኒዶ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንኽትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካ እወ ረኺበካ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ቀፂሉ ኸዓ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኽፉእ ከምፅአልካን ፈፂመ ኸጥፍአካን እየ፤ ኣብ እስራኤል ካብ ኣክኣብ ዝውለድ ኵሉ ዓብዪ ኾነ ንእሽተይ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="22">ስለ እቲ ዘቘጣዕኻንን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮምን፥ ንገዛኻ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያን ከጥፍኣ እየ።</verse>
				<verse number="23">“ብዛዕባ ኤልዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ‘ንኤልዛቤል ኣብ ፀግዒ መካበብያ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም።’</verse>
				<verse number="24">“ካብ ቤት ኣክኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፥ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፥ ኣብ በረኻ ንዝሞተ ኸዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፥ ደድሕሪ ጣዖታት ብምስዓቡ ብዙሕ ርኹስ ነገር ገበረ።</verse>
				<verse number="27">ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ፥</verse>
				<verse number="29">“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ሶርያን እስራኤልን ከዓ እንተይተዋግኡ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="2">በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኽበፅሖ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣገልገልቱ “ሬማት ዘገለዓድ ናትና ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ኢድ ሶርያ ዘየምለስናያ?” ኢልዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣስ፥ ምሳይዶ ኽትከይድ ኢኻ?” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይውን ከም ህዝብኻ፥ ኣፍራሰይውን ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፥ “ኣቐዲምካ ቓል እግዚኣብሄር ንኽትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ንጉስ ኢዮሳፍጥ ግና “እንጥይቖ ኻልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።</verse>
				<verse number="8">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንነቢይ ሚክያስ ወዲ ይምላ፥ ቀልጢፍካ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዙፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኵላቶም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንሶርያውያን፥ ክሳዕ ዝውድኡ፥ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ” ኢሉ ተነበየ።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓወት ክህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ንሚክያስ ክፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ። ንስኻ ድማ በይዛኻ ኸምኣቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ናብ ንጉስ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ኣታ ሚክያስ፥ ከይድናዶ ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣ፥ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዓወት ክህበካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።”</verse>
				<verse number="18">እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽወድቕስ መን የጋግዮ?’ በለ። “እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ‘ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደ ኸዓ ኸምቱይ’ በሉ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ’ በለ።</verse>
				<verse number="22">“እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ከይደ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ‘ንስኻ ኽተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በሎ።</verse>
				<verse number="23">“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ንጉስ እስራኤል ድማ፥ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን፥ ናብ ወዲ ንጉስ ናብ ኢዮኣስን መሊስኩም ውሰድዎ።</verse>
				<verse number="27">‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።</verse>
				<verse number="28">ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ።</verse>
				<verse number="29">ብድሕሪዙይ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደየቡ።</verse>
				<verse number="30">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ዝኾነ ሓሽከር መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ትርኢቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ።</verse>
				<verse number="31">ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ሰላሳን ክልተን ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ፥ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="32">እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ገፆም ናብኡ መለሱ። ኢዮሳፍጥ ድማ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="34">ግና ሓደ በዓል ሶርያ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ነታ ፍላፃ ሰደዳ እሞ፥ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ፥ ተመለስ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ደም ቍስሉውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ይፈስስ ነበረ። ንምሸቱ ኸዓ ሞተ።</verse>
				<verse number="36">ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="37">ስለዙይ ንጉስ ኣክኣብ ሞተ፤ ናብ ሰማርያውን መፁ፤ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ሰረገላ ኸዓ ኣመናዝር ኣብ ዝተሓፀባሉ ዒላ ሰማርያ ሓፀብዎ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቓል ድማ፥ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሓስዎ።</verse>
				<verse number="39">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣክኣብ ነገርን፥ እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን፥ እተን ዝሰርሐን ኵለን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="40">ኣክኣብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ክንድኡ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።</verse>
				<verse number="41">ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="42">ኢዮሳፍጥ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዓዙባ እትብሃል ጓል ሺልሒ ነበረት።</verse>
				<verse number="43">ኢዮሳፍጥ ከም ኣቦኡ ኣሳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይዘምበለን። እቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ ዀረብታታት ግና ኣየግለሶን ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብቲ ዀረብታታት ንጣዖት ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">ኢዮሳፍጥ ከዓ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ገበረ።</verse>
				<verse number="45">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮሳፍጥ ነገርን፥ እቲ ዝፈፀሞ ጅግንነቱን፥ እቲ ዝተዋግኦን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="46">ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ እንተይጠፍኡ ዝተረፉ ሰዶማውያን ከዓ ኻብታ ሃገር ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="47">ሽዑ ግና ኣብ ኤዶምያስ ንጉስ ኣይነበረን፤ ወኪል እዩ ዝገዝእ ዝነበረ።</verse>
				<verse number="48">ኢዮሳፍጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኸምፅኣ መራኽብ ተርሴስ ሰርሐ፤ ግና እተን መራኽብ ኣብ ዔፅዮንጋብር ስለ ዝተሰበራ ኣይከዳን።</verse>
				<verse number="49">ሽዑ ኣካዝ ወዲ ኣክኣብ ንኢዮሳፍጥ “ኣገልገልተይ ምስ ኣገልገልትካ ብመራኽብ ይኪዱ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና ኣይፈተወን።</verse>
				<verse number="50">ኢዮሳፍጥውን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ።</verse>
				<verse number="51">ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመት ከዓ ኣብ እስራኤል ገዝአ።</verse>
				<verse number="52">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ኣክኣብን ከም እኖኡ ኤልዛቤልን ከምቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="53">ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ፥ ንበዓል ስለ ዘገልገለን ስለ ዝሰገደሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="12">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ድሕሪ ሞት ኣክኣብ፥ ሃገር ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀት።</verse>
				<verse number="2">ኣካዝ ከዓ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደብሪ ቤቱ ብዓይኒ ርግቢ ፀደፈ እሞ ሓመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ “ኪዱ እሞ ዝሓዊ እንተ ኾይነ፥ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ጠይቑለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ “ተስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትራኸቦም ደይብ፤ ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቑ ትኸዱ ዘለኹምስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ከዓ ብርግፅ ትመውት እምበር፥ ካብቲ ደይብካዮ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ በሎም” ኢሉ ነገሮ። ኤልያስ ከዓ ኸደ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">እቶም ልኡኻት ድማ ናብ ኣካዝ ተመለሱ። ንሱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ ተመሊስኩም?” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸዓ “እቲ ኽራኸበኩም ዝወፀ፥ ነዝ ቃል እዙይውን ዝተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንጉስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳ ሰባት ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸዓ ኤልያስ ኣብቲ ርእሲ እቲ ዀረብታ ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳ ሰባትን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰባቱን ኣቃፀሎም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ ከዓ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳ ሰባቱ ገይሩ ሰደደሉ። እዙይ ከዓ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኤልያስ ድማ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን ኣቃፀሎም።</verse>
				<verse number="13">እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን።</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣቃፀሎም። ሕዚ ግና ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን” ኢሉ ለመኖ።</verse>
				<verse number="15">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ምስኡ ውረድ፤ ኣይትፍርሓዮውን” ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል ድማ እቲ ንጉስ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ኽንድኡ ሓዉ ኢዮራም ነገሰ። እዙይ ከዓ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኾነ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ዅሉ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="2">ኤልያስ ከዓ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ክኸይድ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ። ናብ ቤቴል ድማ ወረዱ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ከዓ ናብ ኤልሳዕ መፂኦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣለኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ድማ “እወ፥ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="9">ምስ ተሳገሩ፥ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ገና ኻባኻ እንተይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “በይዛኻ፥ ናትካ መንፈስ ዕፅፊ ኾይኑ ኣባይ ክሓድር እልምነካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።</verse>
				<verse number="12">ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ኸዓ፥ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ።</verse>
				<verse number="14">በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ድማ “እንሆ፥ ምስ ሓሻኽርካ ሓምሳ ብፁሓት ኣጓብዝ ኣለዉ እሞ፥ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ እምባ ወይ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ቦታ ደርቢይዎ ኸይኸውንስ፥ በይዛኻ ኸይዶም ክደልይዎ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ንሱ ግና “ኣይትስደዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ክሳዕ ዝሓፍር ግዲ ምስ በልዎ ግና፥ “ስደዱ” በሎም። ሰባት ሰደዱ፤ ሰለስተ መዓልቲ እውን ደለይዎ፤ ግና ኣይረኸብዎን።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኣብ ኢያሪኮ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ናብኡ ተመለሱ። ኤልሳዕ ድማ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን?” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸዓ ንኤልሳዕ “ከምዝ ጐይታይ እትሪኣ ዘለኻ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ሰናይ እያ፤ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፤ እታ ምድሪ እውን ፍረ ኣይትህብን” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ “ሓድሽ ዕትሮ ጨው ጌርኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="21">ናብታ ዓይኒ ማይ ከደ፤ ነቲ ጨው ኣብኡ ደርቢዩ ድማ “እግዚኣብሄር ‘ኣነ ነዚ ማይ ኣጥዕየዮ እየ፤ ድሕሪ ደጊም ብእኡ ሞትን ምውራድ ጥንስን ኣይኸውንን እዩ’ ይብል ኣሎ” በለ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ማይ ከዓ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ካብ እታ መዓልቲ እቲኣ ጠዓየ።</verse>
				<verse number="23">ካብኡውን ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ኣናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወፂኦም “ኣታ በራሕ፥ ደይብ፤ ኣታ በራሕ፥ ደይብ” እናበሉ ኣላገፁሉ።</verse>
				<verse number="24">ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ።</verse>
				<verse number="25">ቀፂሉ ኸዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፤ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዓመትውን ገዝአ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ይኹን እምበር ከም ኣክኣብ ኣቦኡን ከም ኤልዛቤል እኖኡን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልትታት ጣዖት በዓል ኣፍረሶ።</verse>
				<verse number="3">ግና ኸምቲ ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ንእስራኤል ናብ ጥፍኣት ዘስሓተሉ ሓጢኣት ጠበቐ እምበር ካብኡ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="4">ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ኣክኣብ ምስ ሞተ ግና ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ንጉስ እስራኤል ዓመፀ።</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ።</verse>
				<verse number="7">ናብ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸዓ “ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕለይ ዓሚፁ እዩ እሞ ኽንዋግኦስ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ሕራይ፥ ክኸይድ ኣነውን ከማኻ ድልዊ እየ፤ ህዝበይን ኣፍራሰይንውን ከም ህዝብኻን ከም ኣፍራስካን ድልዋት እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ኣስዒቡ ኸዓ “በየናይ መንገዲ ኢናኸ እንድይብ?” ኢሉ ጠየቖ። ንጉስ እስራኤል ኢዮራም ድማ “ብመንገዲ ምድረ በዳ ኤዶምያስ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ድማ ኸዱ፥ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተጕዓዙ ኸዓ፥ ንሰራዊቶምን ነተን እንስሳን ማይ ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል “እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኽህበና ድዩ ናብዙይ ዝፀውዐና!” በለ።</verse>
				<verse number="11">ኢዮሳፍጥ ግና “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቖስ፥ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ሓሻኽር ንጉስ እስራኤል “እቲ ናብ ኢድ ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ እባ ኣብዙይ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="12">ኢዮሳፍጥ ከዓ “ቃል እግዚኣብሄር ብሓቂ ብእኡ ይርከብ እዩ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ኮይኖም ድማ ናብ ኤልሳዕ ወረዱ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኤልሳዕ ኸዓ “ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይሓፍርስ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል፥ ቈላሕ ኢለ እኳ ኣይምረአኹኻን ነይረ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">“ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ።</verse>
				<verse number="16">ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዝ ንቑፅ ሩባ እዙይ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዀዓቱ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንፋስ ኣይትሪኡን፤ ዝናምውን ኣይትሪኡን፤ እዝ ሩባ እዙይ ግና ማይ ክመልእ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምን ከብትኹምን ናይ ፅዕነት እንስሳኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፥ ንሞኣባውያንውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="19">ንዅለን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ንዅለን ፅቡቓት ከተማታትን ክተጥፍእወን ኢኹም። ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ከዓ ኽትቘርፁ፥ ኵሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም። ንዅሉ ዝፈሪ ግራትውን በእማን ክትመልእዎ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="20">ንፅባሒቱ ድማ ጊዜ ቝርባን ምስ በፅሐ፥ እንሆ፥ ማይ ብመንገዲ ኤዶምያስ ኣቢሉ መፀ፤ እታ ሃገር ከዓ ማይ መልአት።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ክዋግእዎም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዑ፥ ኣፅዋር ክዓጥቕ ዝኽእል ዝኾነ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከቲቶም ኣብቲ ወሰን ቆሙ።</verse>
				<verse number="22">ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ፀሓይ ድማ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንፀባረቐት፥ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንፅሮም ከም ደም ቀይሑ ረአይዎ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ “እዙይ ደም እዩ፤ እቶም ነገስታት ብርግፅ ተዋጊኦም ንስንሳቶም ተቓቲሎም ኣለዉ፤ እምበኣር ሕዚ ንዑናይ ኬድና ንዝመት” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="24">ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸዓ እቶም እስራኤላውያን ተሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፤ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ።</verse>
				<verse number="25">ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።</verse>
				<verse number="26">ንጉስ ሞኣብ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፥ ሸውዓተ ሚእቲ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰብኡት ወሰደ፤ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ክሓልፉ ድማ ፈተኑ ግና ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ነቲ ኽንድኡ ዝነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቦ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ቍጥዓ ኾነ እሞ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኦም ናብ ሃገሮም ተመለሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት።</verse>
				<verse number="2">ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ።</verse>
				<verse number="4">ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ።</verse>
				<verse number="5">ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት።</verse>
				<verse number="6">ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ።</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ንሰብኣያ ኸዓ “እዝ ዅልሻዕ በዙይ ዝሓልፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር በይዛኻ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽተይ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ጠረጴዛን ወንበርን ቀዋሚ ቐንዲልን ንግበረሉ። ናባና እንትመፅእ ድማ ኣብኣ ክሓድር እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="11">ኤልሳዕ ከዓ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱነም መፀ፤ ናብታ ቤት ኣትዩ ድማ ኣብኣ ደቀሰ።</verse>
				<verse number="12">ንግያዝ ሓሽከሩ ድማ “ነታ ሱናማዊት ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ኸዓ መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።</verse>
				<verse number="13">ኤልሳዕ ከዓ ንሓሽከሩ “እንሆ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዘርአኽና ሓልዮት እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊትዶ ዝጥየቕ ኣለኪ ክነግረልኪ? በላ” በሎ። ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት።</verse>
				<verse number="14">ኤልሳዕ ድማ ንግያዝ “እንታይ ደኣ እሞ ኽገብረላ እየ” ኢሉ ጠየቖ። ግያዝ ከዓ “ውሉድ የብላን፤ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="15">ኤልሳዕ ከዓ “ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ደው በለት።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ኸዓ “ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ። ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ጐይታይ! ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ንገረድካ ከይትሕስወኒ እልምነካ ኣለኹ” በለቶ።</verse>
				<verse number="17">እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት።</verse>
				<verse number="18">እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ምስቶም ዓፃዶ እንተሎ ናብኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="19">ብድንገት ከዓ ነቦኡ “ርእሰይ፥ ርእሰይ” በሎ። ኣቦኡ ድማ ንሓሽከሩ “ሓንጊርካ ናብ እኖኡ ውሰዶ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሓንጊሩ ኸዓ ናብ እኖኡ ወሰዶ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ሓቚፋቶ ፀንሐት እሞ ሽዑ ሞተ።</verse>
				<verse number="21">ንሳ ኸዓ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ማዕፆውን ሸጒራቶ ወፀት።</verse>
				<verse number="22">ንሰብኣያ ፀዊዓ ድማ “ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብጕያ በፂሐ ኽምለስስ፥ በይዛኻ፥ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልትናን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ።</verse>
				<verse number="25">ተልዒላ ድማ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ እምባ ቀርሜሎስ ከደት። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፥ ንሓሽከሩ ንግያዝ፥ “እታ ሱናማዊት ሰበይቲ፥ እንሆ ትመፅእ ኣላ።</verse>
				<verse number="26">በይዛኻ፥ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ‘ድሓን ዲኺ? ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ? እቲ ወድኺኸ ደሓንዶ ኣሎ?’ በላ” በሎ። ንሳ ድማ “ደሓን ኣለና” በለት።</verse>
				<verse number="27">ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ንሳ ኸዓ “ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ለሚነ ነይረ እየ? ኣነውን ኣይተታልለኒዶ ኣይበልኩኻን እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">እኖ እቲ ቘልዓ ኸዓ ንኤልሳዕ “ምሳይ እንተ ዘይኬድካስ ሓዲገካ ኸም ዘይከይድ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለቶ። ኤልሳዕ ድማ ተሲኡ ደድሕሪኣ ሰዓበ።</verse>
				<verse number="31">ግያዝ ከዓ ቐዲምዎም ሓሊፉ፥ ነታ በትሪ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፤ እቲ ቘልዓ ግና ድምፂ ወይ ምስማዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ግያዝ ንኤልሳዕ ክራኸቦ ተመለሰ፤ “እቲ ቘልዓ ኣይተስአን” ኢሉ ኸዓ ነገሮ።</verse>
				<verse number="32">ኤልሳዕ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፥ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ፀንሖ።</verse>
				<verse number="33">ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ነቲ ማዕፆ ሸጐሮ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ።</verse>
				<verse number="34">ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ።</verse>
				<verse number="35">ኤልሳዕ ድማ ኣብታ ቤት ሓደሻዕ ናብዙይ ሓደሻዕ ናብቱይ እናበለ ተዛወረ፤ መሊሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሸውዓተ ሻዕ ለጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ኤልሳዕ ንግያዝ ፀዊዑ “ነታ ሱነማዊት ፀውዓያ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ፀውዓ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ “እንሆ ወድኺ” ኣልዒልኪ ውሰዲ በላ።</verse>
				<verse number="37">ኣትያ ኸዓ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ድማ ወፀት።</verse>
				<verse number="38">ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ሓምሊ ኽሓምል ናብ በረኻ ወፀ፤ ሃረግ በረኻ ድማ ረኸበ፤ ካብኡ ኸዓ ቘፅሊ በረኻ ኣኪቡ ኽዳኑ መሊኡ ተመለሰ፤ ቀርዲዱ ከዓ ናብቲ ናይ ፀብሒ ቝራዕ ኣእተዎ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="40">ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሐሎም። ካብቲ ፀብሒ ኽበልዑ እንተለዉ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዝ ቍራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="41">ሽዑ ኤልሳዕ “ሕሩጭ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣብቲ ቝራዕ ኣእትዩ ድማ “ምእንቲ ኽበልዑ፥ ነቶም ህዝቢ ፅብሑሎም” በለ። ድሕሪቱይ ኣብቲ ቝራዕ ክፉእ ነገር ኣይተረኽበን።</verse>
				<verse number="42">በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።</verse>
				<verse number="43">እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ።</verse>
				<verse number="44">ሽዑ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረበሎም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ በሊዖም ኣትረፉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ሃገር ሶርያውያን ሓደጋ ዘውድቑ መፂኦም ነበሩ፤ ካብ ምድሪ እስራኤል ድማ፥ ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ማሪኾም ወሲዶም ነበሩ። ንሳ ኸዓ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኮይና ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ንሳ ንእምበይተኣ “ጐይታይስ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነቢይ እንተ ዝኸይድ ካብ ለምፁ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።</verse>
				<verse number="4">ንእማን ከዓ ኣትዩ ንጐይታኡ፥ እታ ኻብ ሃገር እስራኤል ዝመፀት ጓል፥ ከምዙይን ከምዙይን ኢላ ተዛሪባ ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ “እምበኣርከስ ኪድ፤ ኣነ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል መልእኽቲ ኽሰደሉ እየ” በሎ። ሽዑ ንሱ ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ወርቅን ዓሰርተ ቕያር ክዳውንትን ሒዙ ኸደ።</verse>
				<verse number="6">እታ መልእኽቲ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብፅሐሉ። ንሳ “እንሆ ንእማን ሓሽከረይ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ሒዙ ይመፀካ ኣሎ እሞ፥ ካብ ለምፁ ኸም ዝሓዊ ግበር” እትብል ነበረት።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኤልሳዕ፥ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ? እቲ ሰብኣይ ኣብ እስራኤል ነቢይ ከም ዘሎ ኽፈልጥስ ናባይ ይምፃእ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ንእማን በፍራሱን ብሰረገላታቱን መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳዕ ደው በለ።</verse>
				<verse number="10">ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ንእማን ግና ዀርዩ ክኸይድ ተልዓለ እሞ “እንሆ፥ ኣነስ ብርግፅ ወፂኡ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ለምፂ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልስ እቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ኣባናን ፋርፋን ዝበሃሉ ሩባታትዶ ግዳ ኣይበልፁን፤ ኣብኡ ተሓፂበዶ ኣይምሓወኹን?” በለ። ተቘጢዑ ድማ ተመሊሱ ኸደ።</verse>
				<verse number="13">ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ኤልሳዕ ግና “በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ኣይቅበለካን እየ” በሎ። ንእማን ድማ ኽቕበሎ ግዲ በሎ። ኤልሳዕ ግና ኣበየ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ንእማን “እዙይ ምቕባል ካብ ኣበኻኒ ንኣይ ንሓሽከርካ ኽልተ ፅዕነት በቕሊ መሬት በይዛኻ ሃበኒ። ድሕሪ ደጊምስ ኣነ ሓሽከርካ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እየ።</verse>
				<verse number="18">ግና ጐይታይ ንጉስ ኣብ ቤት ጣዖት ሪሞን ኣትዩ ኽሰግድ እንተሎ ንኣይ ተመርኲሱ ስለ ዝሰግድ ኣነ ድማ ምስኡ እሰግድ እየ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንሓሽከርካ ይቕረ ይበለለይ፤ በዙይስ እግዚኣብሄር ከም በደል ኣይቝፀረለይ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ኤልሳዕ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ኸዓ ቑሩብ መንገዲ ኸደ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ግያዝ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ከዓ ደድሕሪኡ ኽጐዪ ምስ ረአዮ፥ ክቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ “ብዳሕናኻዶ?” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ግያዝ ድማ “ደሓን፥ ጐይታይ ‘እንሆ ኽልተ መንእሰይ ማሕበር ደቂ ነቢያት ካብ ደጕዓ ኤፍሬም ሕዚ መፂኦምኒ እሞ፥ በይዛኻ፥ ንኣኣቶም ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ክልተ ቕያር ክዳንን ሃቦም’ ኢሉ ጐይታይ ልኢኹኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ንእማን ከዓ “አረ ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ውሰድ” ኢሉ ግዲ በሎ። ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጢት ኣሲሩ፥ ከምኡውን ክልተ ቕያር ክዳውንትን ገይሩ ንኽልተ ሓሻኽሩ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተሰኪሞምዎ ቐቅድሚ ግያዝ ከዱ።</verse>
				<verse number="24">ኣብታ ኤልሳዕ ዘለዋ ዀረብታ ምስ በፅሑ ኸዓ ተቐቢሉ ኣብ ገዛኡ ኣንበሮ፤ ነቶም ሓሻኽር ንእማን ድማ ኣፋነዎም እሞ ኸዱ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ድማ “ንእማን ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ኽቕበለካ እንተሎዶ ልበይ ምሳኸ ኣይከደን? ሎሚ ብሩርን ክዳውንትን ቦታ ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓሻኽርን ኣግራድን እተጥርየሉ ጊዜ ድዩ?</verse>
				<verse number="27">እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እቶም ደቂ ነቢያት ንኤልሳዕ “እንሆ እዛ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ፀቢባትና ኣላ።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ ናብ ዮርዳኖስ ክንከይድ እሞ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓድሓደ ኦም ሰርወ ኣምፂእና ኣብኡ እንነብረሉ ስፍራ ኽንሰርሕ ፍቐደልና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ንኤልሳዕ “በይዛኻ ንስኻውን ምሳና ምስ ሓሻኽርካ ኺድ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ሕራይ እኸይድ” በለ፤</verse>
				<verse number="4">ምስኣቶምውን ከደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ ድማ ኦም ክቘርፁ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ኻብኣቶም ኦም ክቘርፅ እንተሎ፥ እቲ ምሳር ነፂሉ ናብ ማይ ጠለቐ። ሽዑ ዓው ኢሉ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ እየ ዝገብሮ? ኣቕሓ ልማኖ እዩ” ኢሉ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="8">ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምስቶም ሓሻኽሩ ተማኺሩ ኸዓ ተሓቢእና ኣብዙይ ክንሰፍር ኢና በለ።</verse>
				<verse number="9">ኤልሳዕ ከዓ ንንጉስ እስራኤል “ሶርያውያን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣድቢዮም ኣለዉ እሞ ብኣኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ነታ ብናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተነግረቶ ቦታ ይሕልዋ ነበረ። ኤልሳዕ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ እሞ፥ ኣብኡ ርእሱ ኣድሓነ።</verse>
				<verse number="11">ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዙይ ተሸበረ፤ ነቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ ኸዓ “ካባናስ ምስ ንጉስ እስራኤል ርክብ ዘለዎ መን ከም ዝኾነዶ ኣይትነግሩንን?” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ! ከምኡ ኣይኮነን፤ ግና ኤልሳዕ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ፥ እቲ ኣብ መደቀሲኻ ኾይንካ ዝተዛረብካዮ ዘረባ እኳ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ሶርያ ድማ “ልኢኸ ኸምፅኦስ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ረአዩ” በለ። ንሳቶም ከዓ “ኣብ ዶታይን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፤ ብለይቲ መፂኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ኤልሳዕ “መንገዲ ተጋጊኹም፥ እታ ኸተማ ኸዓ እዚኣ ኣይኮነትን። ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምስ ደድሕረይ ሰዓቡ” በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ መርሖም።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኤልሳዕ “ኦ እግዚኣብሄር! ምእንቲ ኽሪኡስ ኣዒንቶም ክፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረአዩ።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከዓ ንኤልሳዕ “ኣቦይ! ክቐትሎምዶ? ክቐትሎምዶ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ድማ “ኣይትቕተሎም፥ ነቲ ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮ ሰብ እኳ ዘይትቐትሎ! እኳ ደኣ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ክምለሱስ እንጀራን ማይን ኣቕርበሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ ኣፋነዎም። ናብ ጐይታኦም ከዓ ኸዱ። ድሕሪኡ ሰራዊት ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ሓደጋ ኸውድቑ ኣይመፁን።</verse>
				<verse number="24">ድሕሪዙይ፥ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ እሞ፥ ንሰማርያ ኸበባ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እንሆ ድማ፥ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ቕርሺ ብሩር፥ ኵስሒ ርግቢ ኸዓ ብሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ክሳዕ ዝሽየጥ፥ ከበብዋ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ “ጐይታይ ንጉስ! ርድአኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር ዘይረድአክስ፥ ኣነ ደኣ ኻብ ምንታይ ክረድአኪ? ካብ ዓውዲ ድዩ ወይ ካብ መፅመቊ” በላ።</verse>
				<verse number="28">መሊሱ ኸዓ “እንታይከ ዄንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ‘ንወድኺ ሎሚ ኽንበልዖ ኣምፅእዮ፤ ንወደይ ከዓ ፅባሕ ክንበልዖ ኢና’ በለትኒ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ንወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ‘ወድኺ ሃቢ፥ ክንበልዖ’ በልክዋ። ንሳ ግና ንወዳ ሓብአቶ” በለት።</verse>
				<verse number="30">እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ፥ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ወጮ ኸም ዝነበሮ እቲ ህዝቢ ረአየ።</verse>
				<verse number="31">ንሱ ድማ “ርእሲ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ሓዲራ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ይግበረኒ ኸምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።</verse>
				<verse number="32">ኤልሳዕ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከዓ ቐቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ እንተይበፅሐ እንተሎ፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ፥ ርእሰይ ክቘርፅ ሰብ ከም ዝለኣኸዶ ትሪኡ ኣለኹም? እቲ ልኡኽ ምስ መፀ፥ ከም ዘይኣቱ ጌርኩም ነቲ ማዕፆ ሸጕርዎ። ደድሕሪኡ ኸዓ እንሆ እቲ ንጉስ ይመፅእ ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ኤልሳዕ ድማ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ቓል ስምዑ” በለ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ሰማርያ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ክሽመት እዩ።”</verse>
				<verse number="2">ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ?</verse>
				<verse number="4">ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፥ ኣብ ከተማ ጥሜት ስለ ዘሎ፥ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፤ ኣብዙይ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና። እምበኣር ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ፤ ብህይወት እንተ ሓደጉና ብህይወት ንነብር፤ እንተ ቐተሉና ኸዓ ንመውት” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="5">ፅልግልግ ምስ በለ ድማ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="6">ኣምላኽ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ድምፂ ሰረገላታትን ድምፂ ኣፍራስን ድምፂ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፥ ንስንሳቶም “እንሆ፥ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ግብፃውያንን ዓሲቡ ናባና ኣምፂእዎም እዩ” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="7">ፅልግልግ ምስ በለ ኸዓ ተሲኦም ሃደሙ። ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮምን ከም ዘሎ ሓዲጎም ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ለምፃማት እቲኣቶም፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፤ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፤ ከይዶም ከዓ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፤ ካብኡ ኸዓ ወሰዱ፤ ከይዶምውን ሓብእዎ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንስንሳቶም “እዝ ንሕና እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኮነን፤ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ፤ ንሕና ኸዓ ስቕ ኢልና ኣለና፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ እንተ ፀናሕና ድማ ኽንቅፃዕ ኢና። ሕዚ ኸዓ ንኺድ እሞ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="10">መፂኦም ድማ ንሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፤ ኣብኡ ኸዓ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትውን ከም ዘለዎ እምበር፥ ሰብ ኮነ፤ ድምፂ ሰብ የለን” ኢሎም ነገሩ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሓለውቲ ኸዓ ፀዊዖም ነገሩ፥ እቲ ነገር ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንጉስ ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ተሲኡ ንሹመኛታቱ “እቶም ሶርያውያን ብዛዕባና እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ኽነግረኩም፥ ንሕና ብጥሜት ንመውት ከም ዘለና ስለ ዝፈለጡ፥ ‘ካብ ከተማ ምስ ወፁ፤ ብህይወቶም ክንሕዞም ኢና፤ ናብ ከተማ ኸዓ ኽንኣቱ ኢና’ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ካብ ሰፈር ወፂኦም ኣብ በረኻ ተሓቢኦም ኣለዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ድማ፦ “ኣብዝ ኸተማ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ፥ ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሞት ዝተርፍ የለን፥ ስለዙይ እቲ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጥ ካብዞም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ሓሙሽተ ኣፍራስ ጌርና ዝስልሉ ንስደድ ንርአውን” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፤ እቲ ንጉስ ድማ “ኪዱ እሞ እንታይ ከም ዘሎ ርአዩ” ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም።</verse>
				<verse number="15">ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኣቶም ከዱ። እንሆ ኸዓ፥ እቶም ሶርያውያን ዝሓለፍዎ መንገዲ ዅሉ ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቑሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቲ ህዝቢ ወፂኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ወረሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ድማ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ተሸመተ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ዋና ሓሽከሩ ነቲ ኣፍ ደገ ኽሕሉ ኣቖሞ። ግና እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ፥ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተዛረቦ ቓል፥ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረጊፆም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንንጉስ “ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ክሽመት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ኸዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ዋና ሓሽከር ንጉስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ኣይኸውንን እዩ” ኢሉ መሊሱ ነበረ። ኤልሳዕውን “እንሆ በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ከምኡ ድማ ኾነ፤ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገፅዎሞ ሞተ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ኤልሳዕ ነታ ወዳ ካብ ሞት ዘተስአላ ሰበይቲ፥ “እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር እዚኣ፥ ሸውዓተ ዓመት ዝፀንሕ ጥሜት ኣዚዙ ኣሎ እሞ፥ ንስኽን ቤተ ሰብክን ተሲእኺ ኺዲ ኣብ ዝረኸብክዮ ዓዲ ተቐመጢ” ኢሉ ተዛረባ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሰበይቲ ኸዓ ተሲኣ ኸምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝበላ ገበረት። ንሳን ቤተሰባን ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሸውዓተ ዓመት ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="3">እተን ሸውዓተ ዓመት ምስ ተወድኣ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰት፤ ብዛዕባ ቤታን ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ ከደት።</verse>
				<verse number="4">በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ንግያዝ፥ ሓሽከር ኤልሳዕ “በይዛኻ እቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት ንገረኒ?” ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ግያዝ ከዓ፥ ኤልሳዕ ምዉት ከም ዘተስአ ንንጉስ ክነግሮ እንተሎ፥ እንሆ እታ ወዳ ዘተስአላ ሰበይቲ ቤታን ግራታን ክተምልስ ኣብ ንጉስ ክትጠርዕ መፀት። ሽዑ ግያዝ “ጐይታይ ንጉስ፥ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፤ እቲ ኤልሳዕ ዘተስኦ ወዳውን እዙይ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ጠየቓ፤ ንሳ ኸዓ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ሃባ እሞ “ዝነበራ ዅሉን፥ እታ ግራታ ኻብታ ዝተሰደደትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ኽተእትዎ እትኽእል ዝነበረ ዅሉን ኣምልሰላ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኤልሳዕ ናብ ደማስቆ ኸደ። ንጉስ ሶርያ ወልደ ኣዴር ከዓ ሓሚሙ ነበረ፤ “እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብዙይ መፂኡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣዛሄል “ገፀ በረኸት ሒዝካ ንኤልሳዕ ክትቅበሎ ኺድ እሞ ‘ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ ድየ?’ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ጠይቐለይ ኢሉካ በለለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣዛሄል ድማ ዘዝበለፀ ሃብቲ ደማስቆ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ዝኣክል ሒዙ ናብ ኤልሳዕ ከደ። ምስ ተራኸቡ ድማ “ወድኻ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዙይዶ ኽሓዊ እየ?’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኤልሳዕ ከዓ “ኪድ እሞ፥ ‘ምሕዋይስ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ግና ብርግፅ ከም ዝመውት እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ”</verse>
				<verse number="11">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ኣዛሄል ክሳዕ ዝሽቝረር ተኲሩ ጠመቶ። ብድሕሪዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነብዐ።</verse>
				<verse number="12">ኣዛሄል ከዓ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ኢኻ ትበኪ ዘለኻ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ፥ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽተቃፅል፥ ነጓብዞም ከዓ ብሰይፊ ኽትቀትል፥ ንህፃናቶም ድማ ኽትጭፍልቕ፥ ንጥኑሳቶምውን ከብደን ክትቀድድ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣዛሄል ከዓ “እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ዝገብርስ ኣነ ሓደ ኸልቢ ዝኾንኩ ባርያኻስ መን ኮይነ እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ኤልሳዕ ከዓ ርሒቑ ኸደ፤ ናብ ጐይታኡውን ተመለሰ። ንሱ ኸዓ “ኤልሳዕ እንታይ ኢሉካ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣዛሄል ድማ “ብርግፅ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="15">ንፅባሒቱ ኣዛሄል ወጮ ወሲዱ ኣብ ማይ ኣሊኹ ዓቢሱ ቐተሎ። ክንድኡ ድማ ነገሰ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ፤ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="18">ግና ጓል ኣክኣብ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ከም ቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፥ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፥ ንይሁዳ ኸጥፍኣ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="20">ብዘመን ኢዮራም ኤዶምያስ ንይሁዳ ከይግብር ዓመፀ፤ ናይ ባዕልቶም ንጉስ ድማ ኣንገሱ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኢዮራም፥ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ፃኢር ሓለፈ። ኤዶማውያን ከዓ ኸበብዎም። ንሱ ግና ብለይቲ ተሲኡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያን ወቕዐ፤ እቶም ህዝቢ ድማ፤ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="22">ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኤዶምያስ ንይሁዳ ኻብ ምግባር ሸፈተ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቱይ ካብ ይሁዳ ዓመፀት።</verse>
				<verse number="23">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮራም ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="24">ኢዮራም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።</verse>
				<verse number="25">ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም፥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="26">ኣካዝ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ጎቶልያ ትብሃል ነበረት። ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ምስ ቤት ኣክኣብ መውስቦ ስለ ዝነበሮ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="28">ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ድማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። ንጉስ ኢዮራም ድማ ኣብኡ ብሶርያውያን ተወግአ።</verse>
				<verse number="29">ንጉስ ኢዮራም ከዓ እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ፥ ሶርያውያን ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ ኸሕዊ ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ፥ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮራም ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክበፅሖ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ነቢይ ኤልሳዕ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነቢያት ፀዊዑ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ እዝ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ኪድ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኣ ምስ በፃሕኻ ኸዓ፥ ንኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ፥ ወዲ ናሜሲ፥ ደሊኻ ርኸቦ፤ ካብ ማእኸል ኣሕዋቱ ኣተሲእኻ ድማ ናብ ውሽጢ ሕልፍኚ ኣእትዎ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ነቲ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍስሶ እሞ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ እየ’ ይብል ኣሎ በሎ፤ ድሕሪኡ ማዕፆ ኸፊትካ ህደም፥ ኣይትደንጒ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ነቢይ ኤልሳዕ ከዓ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ከደ።</verse>
				<verse number="5">ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ፥ ናባኻ መልእኽቲ ኣለኒ” በለ። ኢዩ ድማ “ምስ መኒና እዩ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ ምሳኻ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ነቲ ኤልዛቤል ዘፍሰሰቶ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ሕነ ኽፈድስ ንቤት ጐይታኻ ኣክኣብ ክተጥፍኣ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ቤት ኣክኣብ ብምልእታውን ክትጠፍእ እያ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ኻብ ኣክኣብ ዝተወልደ ዓብዪ ኾነ ዝተኣሰረ ወይ ዘይተኣሰረ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="9">ንቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ንቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ንቤት ባዖስ ወዲ ኣኪያን ዘጥፋእኽወን ከጥፍኣ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንኤልዛቤል ድማ ዝቐብራ ኣይህሉን፤ ንሬሳኣ ኣብ ቃድራ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም’ ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ካብታ ቤት ወፂኡ ሃዲሙ ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ኢዩ ወፂኡ ናብቶም ሓሽኽር ጐይታኡ ምስ ተሓወሰ ኸዓ፥ “ደሓን ድዩ? እዝ ዕቡድ እዙይ እንታይ ደልዩ እዩ መፂኡካ ዝነበረ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢዩ ድማ “ነዝ ሰብኣይ እዙይን ነቲ ዝበሎ ዘረባን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ግና “ሓሰት እዩ፤ ንስኻ ግዳ ንገረና?” በልዎ። ኢዩ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ’ ኢሉ ኸምዙይ ከምዙይ ኢሉ ነጊሩኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ዅሎም ቀልጢፎም ከክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ፥ ኣብቲ ናይ ደብሪ መደያይቦ ኣንፀፉ፤ መለኸት እናነፍሑ ድማ “ኢዩ ነጊሱ” እናበሉ ኣወጁ።</verse>
				<verse number="14">ኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ንኢዮራም ሻራ ገበረሉ። በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ኢዮራምን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ምእንቲ ኸይወሮም ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ኮይኖም ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ኢዮራም ግና እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቝስሊ ኽሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ልብኹም ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከይዱ ናብ ኢይዝራኤል ምእንቲ ኸይነግር፥ ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ኢዮራም ኣብ ኢይዝራኤል ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ፥ ኢዩ ኣብ ሰረገላ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንኢዮራም ክበፅሕ ናብ ኢይዝራኤል ወሪዱ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብ ግንቢ ኢይዝራኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ሓላዊ ኸዓ ጭፍራ ኢዩ እንትመፅእ ሪኡ፥ “ጭፍራ እንትመፅእ እርኢ ኣለኹ” በለ። ኢዮራም ድማ “ሓደ ፈረሰኛ ለኣኽ እሞ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ኢሉ ይጠይቖም” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሓደ ኸዓ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ኽራኸቦም ከይዱ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ጠየቖም። ኢዩ ኸዓ “ንስኻ ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ። እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፤ ግና ኣይተመለሰን” ኢሉ ነገረ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኣቶም መፂኡ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” በሎም። ኢዩ ኸዓ “ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ልኡኽ ድማ “ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይተመለሰን። እቲ መራሒ ሰረገላ ኸዓ ኸም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ፤ ኣካይዳኡ ድማ ኣካይዳ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ይመስል” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኢዮራም “ሰረገላ ኣዳልዉ” በለ። ሰረገላ ድማ ኣዳለውሉ። ኢዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣካዝ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሰረገላኦም ደየቡ፤ ንኢዩ ኽዋግእዎ ድማ ወፁ፤ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኸዓ ተራኸብዎ።</verse>
				<verse number="22">ኢዮራም ንኢዩ ምስ ረአዮ “ኢዩ፥ ብሰላም ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እቲ ናይ እኖኻ ኤልዛቤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን እቲ ብዙሕ ጥንቍልናኣን ክሳዕ ዘሎ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="23">ኢዮራም ድማ ንንጉስ ኣካዝ “ኣካዝ፥ ዓመፅ እዩ” በሎ። ኢዮራም ሰረገላኡ መሊሱ ድማ ሃደመ።</verse>
				<verse number="24">ኢዩ ግና ቐስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንኢዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፤ እቲ ፍላፃ ድማ ብልቡ ወፀ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸዓ ድፍእ በለ።</verse>
				<verse number="25">ኢዩ ንቢድቃር ሓለቓ ሰረገላታቱ “ኣልዒልካ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ደርብዮ፤ እቲ ኣነን ንስኻን ኣብ ፈረስ ተቐሚጥና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣክኣብ ክንስዕብ እንተለና፥ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ከም ዝተዛረበሉ ዘክር፦</verse>
				<verse number="26">‘ነቲ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ብርግፅ ትማሊ ሪአዮ እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ክፈድየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ወሲድካ ኣብታ ግራት ናቡቴ ደርብዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ብመንገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። ኢዩ ግና “ንእኡውን ውግእዎ” እናበለ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ኣብታ ጥቓ ይብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከዓ ኣብ ሰረገላኡ እንተሎ ወግእዎ። ግና ኽሳዕ መጊዶ ሃደመ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ድማ ቐበርዎ።</verse>
				<verse number="29">ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="30">ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት።</verse>
				<verse number="31">ኢዩ በቲ ኣፍ ደገ ምስ ኣተወ ድማ “ኣታ ቐታሊ ጐይታኡ ዘምሪ፥ ብደሓን ዲኻ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="32">ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ድማ “ኣፅድፍዋ” በለ። ንሳቶም ድማ ኣፅደፍዋ እሞ፥ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነፅገ፤ ረጊፁዋውን ሓለፈ።</verse>
				<verse number="34">ኣትዩ ድማ በልዐን ሰተየን፤ ብድሕሪኡ “በይዛኻትኩም፥ ርግምቲ እኳ እንተ ኾነት ጓል ንጉስ እያ እሞ ወሲድኩም ቅበርዋ” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="35">ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን።</verse>
				<verse number="36">ተመሊሶም ድማ ነገርዎ፤ ኢዩ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ኤልያስ ቴስብያዊ ዝበሎ እዩ፦ ንስጋ ኤልዛቤል ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም።</verse>
				<verse number="37">ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦</verse>
				<verse number="2">“ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝተዓረደ ኸተማን ኣፅዋርንውን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ሕዚ ኸዓ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ በፅሐትኩም፥</verse>
				<verse number="3">ካብቶም ደቂ ጐይታኹም ንጉስ እቲ ዝበለፀን ዝሐሸን ርኢኹም ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ” ኢሉ ናብ ሰማርያ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ “እንሆ፥ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ክቆሙ፥ ዘይከኣሉስ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም?” በሉ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኢዩ ኻልኣይ ጊዜ “ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን እንተ ሰሚዕኩምስ ኣራእስ እቶም ሰብዓ ደቂ ጐይታኹም ሒዝኩም፥ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ኢይዝራኤል ናባይ ኣምፅኡለይ” ኢሉ መልእኽቲ ፀሓፈሎም። እቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እታ መልእኽቲ ምስ በፅሐቶም፥ ነቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ፥ ሒዞም ሓረድዎም፤ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ኢይዝራኤል ናብ ኢዩ ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="8">ልኡኽ መፂኡ ኸዓ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምፂኦምዎ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ “ክሳዕ ፅባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ።</verse>
				<verse number="9">ንፅባሒቱ ወፂኡ ድማ ነቲ ዅሉ ህዝቢ “ንጐይታይ ሻራ ዝገበርኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ንፁሃት ኢኹም። ነዚኣቶም ኵሎም ደኣ መን ቀተሎም?</verse>
				<verse number="10">እምበኣርከስ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ዝተዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ፈፀሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="11">ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ኢዩ ኻብ ኢይዝራኤል ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ሰማርያውን ከደ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ዘላ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ናብ እትበሃል ቦታ ምስ በፅሐ፥</verse>
				<verse number="13">ነሕዋት ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ “ንስኻትኩም እንመን ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ኣሕዋት ኣካዝ ኢና፤ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ “ብህይወቶም ሓዝዎም” በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰባት ከዓ ብህይወቶም ሒዞም ኣብቲ ጥቓ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ኣብ ዘሎ ዒላ ሓረድዎም፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።</verse>
				<verse number="15">ኢዩ ኻብኡ ምስ ሓለፈ፥ ንኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ መንገዲ ረኸቦ፤ ሰላም ምስ በሎ ድማ “ኣነ ኸምቲ ናትካ እየ ዝሓስብ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ሓሳባተይ ድዩ ሓሳብካ?” በሎ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ፥ ከምኡ እዩ” በሎ። “ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸዓ ናብኡ ኣደየቦ።</verse>
				<verse number="16">“ምሳይ ነዓ እሞ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘለኒ ቕንኣት ረአ” ድማ በሎ። ኣብ ሰረገላ ተቐሚጦም ከዓ ብሓደ ኸዱ።</verse>
				<verse number="17">ናብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ ኢዩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል ካብ ኣዝማድ ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዅሎም ቀተሎም።</verse>
				<verse number="18">ኢዩ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኪቡ “ኣክኣብ ንበዓል ቁሩብ እዩ ዘገልገሎ፤ ኢዩ ግና ኣብዚሑ ኸገልግሎ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ኸዓ፥ ንጣዖት በዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣለኒ እሞ፥ ንዅሎም ነቢያት በዓልን፥ ንኵሎም ኣገልገልቱን ንኵሎም ካህናቱን ፀውዑለይ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፍ፤ ዝተርፍ እንተ ሃልዩ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” በሎም። እዙይ ግና ኢዩ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ምእንቲ ኸጥፍኦም ኢሉ ዝሓሰቦ ተንኰል ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ።</verse>
				<verse number="21">ኢዩ ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል ለኣኸ፤ ኣገልገልቲ በዓል ከዓ ዅሎም መፁ፤ እንተይመፀ ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን። ናብ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ኣተዉ፤ ቤት ጣዖት በዓል ከዓ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት።</verse>
				<verse number="22">ነቲ ሓላዊ ቅዱሳት ኣልባስ ድማ “ንዅሎም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ኣልባስ ኣውፅአሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣልባስ ኣውፅአሎም።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ኢዩ ምስ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ፥ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣተዉ እሞ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል “ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ሓደ ኸይህሉ ኣስተብሂልኩም ረአዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ኢዩን ኢዮናዳብን ከዓ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን ክስውኡ ኣተዉ። ኢዩ ግና ሰማንያ ሰብ ብወፃኢ ኣቐሚጡ “ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፥ ክንዲ እቲ ዘምለጠ፥ እቲ ኸምልጥ ዝገበረ ሰብ ክቕተል እዩ” ኢልዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ኢዩ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈፀመ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን “እተዉ፤ ቅተልዎም! ሓደ ሰብ እኳ ኸየምልጥ” በሎም። እቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም፤ ካብታ ቤት ጣዖት በዓል ኣውፂኦም ነቲ ሬሳኣቶም ደርበይዎ እሞ ናብ ከተማ ቤት ጣዖት ኣተዉ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ኣብ ቤት ጣዖት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከዓ ኣውፂኦም ኣንደድዎ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፤ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ መውፅኢ ቐልቀል ገይሮምዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="28">ኢዩ ኸምዙይ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍአ።</verse>
				<verse number="29">ግና ካብቲ ንእስራኤል ዝስሐተ ካብ ኢዮርብዓም ወዲናባጥ ሓጢኣት፥ ኣብ ቤቴልን ኣብ ዳንን ካብ ዝነበሩ ምስሊ ወርቂ ምራኹት ኢዩ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ድማ ንኢዩ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዝኾነ ኣፀቢቕካ ስለ ዝገበርካ፥ ንቤት ኣክኣብውን ከምቲ ዅሉ ኣብ ልበይ ዝነበረ ስለ ዝገበርካያ፥ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ግና ኢዩ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፤ ከምቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="32">በቲ ጊዜ እቱይ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክኸፋፍሎም ጀመረ። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ንእስራኤል ኣብ ኵሉ ወሰናቶም ወቕዖም።</verse>
				<verse number="33">ነታ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ዝቕመጡላ፥ ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ዘላ ዅላ ምድሪ ገለዓድ ሰዓራ። ካብታ ኣብ ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንገለዓድን ንባሳንን ከዓ ሰዓረን።</verse>
				<verse number="34">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዩ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="35">ኢዩ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣካዝ ነገሰ።</verse>
				<verse number="36">ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት።</verse>
				<verse number="2">ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ።</verse>
				<verse number="3">ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት።</verse>
				<verse number="4">በታ ሻውዐይቲ ዓመት ከዓ ኻህን ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሓለውቲ ንጉስን ሓለውቲ ቤተ መንግስትን ልኢኹ ኣምፅኦም፤ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፤ “ኪዳን እተዉለይ” ኢሉ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፤ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብሰንበት ስራሕ ዝኣትዉ፥ ቤተ መንግስቲ ይሓልዉ፤</verse>
				<verse number="6">ሓደ ሲሶ ድማ ነታ ሱር እትበሃል ደገ ይሓልዉ፤ እቶም ዝተረፉ ሓደ ሲሶ ኸዓ ብድሕሪ እቶም ነታ ቤተ መቕደስ በብተራ ዝሕልዉ ሓሻኽር ኮይኖም ይሓልዉዋ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ብሰንበት ዘዕርፉ ኽልተ ኽፍሊ ድማ ንንጉስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ይሓልውዎ።</verse>
				<verse number="8">ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ኸምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰቦም ሒዞም ነቶም ብሰንበት ዝሰርሑን ብሰንበት ዝዓርፉን ሒዞም ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሓለውቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሮም ክሳዕ ፀጋማይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቆሙ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።</verse>
				<verse number="13">ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት።</verse>
				<verse number="14">እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓምዲ ቖይሙ ነበረ፤ እቶም ኣዘዝትን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።</verse>
				<verse number="15">ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ሓዝዋ፤ ናብቲ ኣፍራስ ዝኣትዉሉ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ እውን ወሰድዋ፤ ኣቡኡ ድማ ቐተልዋ።</verse>
				<verse number="17">ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።</verse>
				<verse number="18">ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣትዮም ነቲ ቤት ኣፍረስዎ፤ መሰውኢታቱን ምስልታቱንውን ሰባበሩ፤ ንማታን ካህን ጣዖት በዓል ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሓረድዎ። ዮዳሄ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ።</verse>
				<verse number="19">ዮዳሄ ምስቶም ኣዘዝትን ሓለውቲ ንጉስን ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓሻኽርን ህዝብን ኮይኑ፤ ንንጉስ ኢዮኣስ ካብ ቤት እግዚኣብሄር በታ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅእዎ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ዙፋን ነገስታት ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጐሰ። ጎቶልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቲላ ስለ ዝነበረት እታ ኸተማ ሃድአት።</verse>
				<verse number="21">ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ኢዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፤ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ኢዮኣስ ከምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝመሃሮ፥ ብዅሉ ዘመኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ስለ ዘየወገደ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ ዝተቐደሰ ገንዘብ፥ ስለ ነፍሱ ዋጋ ዘቕርቦ ገንዘብን፥ ብፍቓድ ልቦም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቲ ህዝቢ ኽቝፀር እንተሎ ዝኸፍሎ ገንዘብን፥ እቲ ሰብ ብመብፅዓን ብድልየቱን ዝኸፍሎ ገንዘብን ኣክብዎ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝተኣከበ ይውሰዱ፥ ንዝፈረሰ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይፀግንዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ይኹን እምበር እቶም ካህናት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣይፀገንዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ብዛዕባኡን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነዛ ቤተ መቕደስ ዘይፀገንኩምዋ? ሕዚ ኸዓ እቲ ንመፀገኒ ቤተ መቕደስ ዝተቐበልኩምዎ ገንዘብ ኣምፅእዎ እምበር ኣባኻትኩም ኣይቀመጥ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ካህናት ድማ ኻብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፥ ነቲ ዝፈረሰ ወገን ቤተ መቕደስ ከዓ ኸይፅግኑ ተሰማምዑ።</verse>
				<verse number="9">ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብቲ ሳፁን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፥ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ሊቀ ካህናትን ከይዶም፥ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ቈፂሮም ኣብ ከረጢት ኣሰርዎ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝተመዝነ ገንዘብ ድማ ነቶም ዝሰርሑ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ፀረብቲ ዕንፀይትን ሃነፅትን፥</verse>
				<verse number="12">ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍሉሉ ነበሩ። ከምኡውን ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ዕንፀይትን ውቑር እምንን ይዕድጉሉ ነበሩ፤ ኵሉ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝወፀ ገንዘብ ድማ ይኸፍሉሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ነቶም ዝሰርሑ ሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ፀገኑሉ እምበር፥ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዘድሊ ፃሕሊ ብሩር፥ መሳቐዪታት፥ ጭሐሎታት፥ መለኸት፥ ሓደ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይዓደጉሉን።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ፥ እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ብእምነት ይሰርሕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ዝቈፃፀሮም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ። ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ድማ ገፁ ኣቕንዐ።</verse>
				<verse number="18">ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ እቲ ኣቦታቱ ኢዮሳፍጥን ኢዮራምን ኣካዝ፥ ነገስታት ይሁዳ፥ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ዅሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝወፈዮን፥ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቂ ኣኪቡ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ሓዲጉዋ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="20">ንኢዮኣስ ድማ ኣገልገቱ ሻራ ገበሩሉ፤ ኣብታ ናብ ሲላ እተውርድ መንገዲ፥ ኣብ ቤት ሚሎውን ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዝቐተልዎ ሹመኛታቱ፥ ዮዘካር ወዲ ሰምዓትን ዮዛባት ወዲ ሾሜርን ይበሃሉ ነበሩ። ምስ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ሓጢኣት ናይቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ተኸተለ፤ ካብኣውን ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ብዅሉ እቲ ዘመን እቱይ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወዱ ወልደ ኣዴርን ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="4">ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="6">ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡዎም ነበረሞ፥ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘሎ ብቝቡቕ ኣድቂቑዎም ነበረሞ፥ ንኢዮኣካዝ እንትርፊ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ካልእ ኣየትረፈሉን ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣካዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="9">ኢዮኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣስ ነገሰ።</verse>
				<verse number="10">ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ።</verse>
				<verse number="11">ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ከደ እምበር፥ ካብኣ ኣይርሓቐን።</verse>
				<verse number="12">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግአሉ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="13">ኢዮኣስ ሞተ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ወዱ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="14">ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ።</verse>
				<verse number="15">ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ክትውርውር ተዳሎ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ኤልሳዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገይሩ፥</verse>
				<verse number="17">“ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">መሊሱ “ካልእ ፍላፃታት ኣልዕል እሞ ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ሰለስተ ሻዕ ወቒዑ ደው በለ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ።</verse>
				<verse number="22">ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣካዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ራህርሀሎም፤ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገፁ መለሰሎም እምበር ከጥፍኦም ኣይደለየን። ክሳዕ ሕዚ እውን ካብ ቅድሚኡ ኣየርሓቖምን።</verse>
				<verse number="24">ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ወልደ ኣዴር ነገሰ።</verse>
				<verse number="25">ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ንወልደ ኣዴር ሰለስተ ሻዕ ሰዓሮ፤ ነተን ኣዛሄል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ኢዮኣካዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ከዓ ኣምለሰን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዮዓዳ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ግና ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኢዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ እምበር፥ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ኣየወገዶን ነበረሞ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">መንግስቲ ምስ ፀንዐሉ፥ ነቶም ነቦኡ ኢዮኣስ ዝቐተሉ ኣገልገልቲ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="6">ግና፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፥ ኣቦታት ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፤ ደቂውን ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ” ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ነቶም ደቂ ቐተልቲ ኣይቀተሎምን።</verse>
				<verse number="7">ኣሜስያስ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ኤዶማውያን ቀተለ፤ ንሴላ ኸዓ ብውግእ ሓዛ፤ ስማ ድማ ኸምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፥ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣሜስያስ ናብ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ፥ ንጉስ እስራኤል “ነዓ ንስንሳትና ገፅ ንገፅ ንርአአ!” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="9">ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኳኲቶ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፦ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖስ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፈ፤ ነቲ ኳኲቶ ኸዓ ረገፆ።</verse>
				<verse number="10">ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="11">ኣሜስያስ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ምስ ሰራዊቱ ደየበ እሞ፥ ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሳሚስ ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="12">ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ።</verse>
				<verse number="13">ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ንኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤት ሳሚስ ማረኾ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ መካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቑሑን ወሰደ፤ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰባትውን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዝተረፈ ኢዮኣስ ዝገበሮ ነገርን ጅግንነቱን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግኦን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="16">ኢዮኣስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ኢዮርብዓም ወዱ ኸዓ ኽንድኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="17">ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="19">ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ማሕላ ዓመፅ ገበሩሉ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰዲዶም ኣብኣ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሬሳኡ በፍራስ ፅዒኖም መለስዎ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐበረ።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ፥ ነቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረ ኣዛርያስ ወዱ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ፥ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ኣሜስያስ ንኤላት ከም ብሓድሽ ሰርሓ፤ ናብ ይሁዳ ድማ ኣምለሳ።</verse>
				<verse number="23">ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ኸምቲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነገር ገበረ፤ ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው ኣምለሶ።</verse>
				<verse number="26">እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር መከራ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፥ እቲ እሱር ኮነ ዘይእሱር ከም ዝጠፍአ፥ ንእስራኤል ከዓ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረአየ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ ፍቓዱ ስለ ዘይነበረ፥ ብኢድ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ከም ዝተዋግአ፥ ነተን ናይ ይሁዳ ኾይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከዓ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="29">ኢዮርብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ኣዛርያስ ወዲ ኣሜስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። እኖኡ ኸዓ የኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="4">ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖት ዘምልኹሉ ስለ ዘየፍረሶ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ኣብ ዘለዉ መስገዲታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="7">ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ኢዮኣታም ወዱ ነገሰ።</verse>
				<verse number="8">ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ገዝአ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="10">ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ድማ ተማሓሓለሉሞ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፤ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="12">እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="13">ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ።</verse>
				<verse number="14">ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸዓ ኻብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፥ ንሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡውን ነገሰ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎም ነገርን እቲ ዝተመሓሓሎ ዓመፅን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳ ኽዋግኣ ኻብ ቴርሳ ምስ መፀ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ክኸፍቱ ኣይደለዩንሞ፥ ንሱ ኸዓ ነታ ኸተማ ወቕዓ፤ ነተን ኣብኣ ዝነበራ ጥኑሳት ከዓ ኸብደን ቀደደን።</verse>
				<verse number="17">ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="19">ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ።</verse>
				<verse number="20">እዝ ብሩር እዙይ ካብቶም ሃብታማት እስራኤል፥ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ኣገዲዱ ዝኣከቦ እዩ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገርውን ኣይተቐመጠን።</verse>
				<verse number="21">እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="22">ምናሔም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ፋቂስያስ ነገሰ።</verse>
				<verse number="23">ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ፥ ፋቂስያስ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን፤</verse>
				<verse number="25">ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቂስያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="27">ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="29">ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።</verse>
				<verse number="30">ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሻራ ገበረሉ። ወቒዑ ምስ ቀተሎ ድማ ኽንድኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቁሔ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="32">ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="33">ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት።</verse>
				<verse number="34">ኢዮኣታም ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።</verse>
				<verse number="35">ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="37">እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ።</verse>
				<verse number="38">ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን፤</verse>
				<verse number="3">እኳ ደኣ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ከም እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዘፀይፍ ብምግባርውን ወዱ ንጣዖት ብሓዊ ሰውአ እምበር።</verse>
				<verse number="4">ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንኢየሩሳሌም ክወግእዋ ደየቡ። ንኣካዝ ድማ ኸበብዎ፤ ከሸንፍዎ ግና ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="6">በታ ጊዜ እቲኣ ረኣሶን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፥ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፤ ኤዶማውያን ከዓ ናብ ኤላት መፂኦም ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ኣካዝ ከዓ ናብ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ፤ ካብ ኢድ እቶም ተልዒሎምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ክተድሕነኒ ደይብ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ኣካዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ኣሶር ከዓ ሰምዖ እሞ ደዪቡ ንደማስቆ ሓዛ፤ ኣብኣ ንዝነበሩ ህዝባ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፤ ንረኣሶንውን ቀተሎ።</verse>
				<verse number="10">ንጉስ ኣካዝ ድማ ንቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክረኽቦ ናብ ደማስቆ ኸደ፤ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሰውኢ ኸዓ ረአዮ። ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዅሉ ስርሓቱን ገይሩ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="11">ካህን ኦርያ ኸዓ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ቅድሚ ምምላሱ ድማ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መፀ ነቲ መሰውኢ ረአዮ፤ ቀሪቡ ኸዓ ናብኡ ደየበ።</verse>
				<verse number="13">ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣቕረበ፤ ናይ መስተ መስዋእቲ እውን ኣፍሰሰ፤ ነቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ደም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነፀጎ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ኻብ ቅድሚ እታ ቤተ መቅደስ ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ድሕር ኣቢሉ፥ ብወገን ሰሜን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣቐመጦ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ኣካዝ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ “እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን፥ መስዋእቲ እኽልን፥ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ መስዋእቲ እኽሎምን፥ መስዋእቲ መስተኦምን፥ ኣብቲ ዓብዪ ሓድሽ መሰውኢ ኣቃፅሎ፤ ንዅሉ ደም እቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኵሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ፤ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ ግና ኣነ ኽጥይቐሉ ንኣይ ሕደገለይ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="16">ካህን ኦርያ ድማ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ኣካዝ ድማ ነቲ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ቘሪፁ፥ ነቲ ገበራ ኻብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፤ ነቲ መዕቘሪ ማይውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ነሃስ ኣውሪዱ፥ እምኒ ኣብ ዝተነፀፎ ምድሪ ቤት ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን መሰረት ናይቲ ዙፋን ሰርሐ፤ ንንጉስ ኣሶር ኢሉውን ነቲ ብወፃኢ ዘሎ መንገዲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣዞሮ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="20">ኣካዝ ከዓ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ትሽዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ፤ ግና ኸምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="3">ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ ሆሴዕ ዓመፅ ረኸበ፤ ሆሴዕ ናብ ሴጎር ንጉስ ግብፂ ልኡኻት ሰዲዱ ሓገዝ ለሚኑ ነይሩ እዩሞ። እቲ በብዓመቱ ዝኸፍሎ ዝነበረ ግብሪ ድማ ምስዳድ ኣበየ። ሽዑ ንጉስ ኣሶር ንሆሴዕ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ንዅላ እታ ሃገር ወረራ፤ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸዓ ሰለስተ ዓመት ከበባ።</verse>
				<verse number="6">ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="7">እዙይ ዝኾነ ኸዓ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ባርነት ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ሓራ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዘምለኹን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ።</verse>
				<verse number="9">እወ! ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኵለን ከተማታቶም ድማ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣብ በረኽቲ ቦታታት መሰውኢ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ።</verse>
				<verse number="11">ኣብኡ ድማ ኸምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ኣብ ኵሉ በረኽቲ ይዓጥኑ ነበሩ። ክፉእ ነገር ብምግባር ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ እግዚኣብሄር “ነዝ ነገር እዙይ ኣይትግበርዎ” ዝበሎም፥ ነቶም ጣዖታት ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ከምቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ እምበር።</verse>
				<verse number="15">ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="16">ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ።</verse>
				<verse number="17">ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከዓ ብሓዊ ይስውእዎም ነበሩ፤ ዛዕጐል የውድቑን ይጥንቍሉን ድማ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት።</verse>
				<verse number="19">ይሁዳውን በቲ ኽፉእ ልማድ እስራኤል ከዱ እምበር ነቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሓለውዎን።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ምስ ፈለዮም፥ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፤ ኢዮርብዓም ከዓ ንህዝቢ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምምላኽ ኣርሓቖም፤ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣስርሖም።</verse>
				<verse number="22">ንሳቶም ድማ ንኢዮርብዓም ሰዓብዎ፤ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ሓጢኣትውን ገበሩ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="25">ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።</verse>
				<verse number="26">ንንጉስ ኣሶር ድማ “እቶም ኣፍሊስካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት፥ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ኣይፈልጡን እዮም፤ ስለዙይ ኣምላኽ እታ ሃገር፥ ስርዓቱ ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ድማ ኣናብስ ሰደደሎም። እቶም ኣናብስ ከዓ፥ እንሆ፥ ይቐትልዎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር “ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፤ ከይዱ ድማ ኣብኡ ይቀመጥ እሞ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሃሮም” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="28">ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መፂኡ ኣብ ቤቴል ተቐመጠ፤ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርሕዎ ኸዓ መሃሮም።</verse>
				<verse number="29">ግና ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ኣማልኽቶም ገይሮም ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ጣዖት ኣንበርዎ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ሰብ ባቢሎን ከዓ ናይ ሱኮትቤኖት ዝበሃል ኣምላኽ ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩታ ድማ ናይ ኤርጌል ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሃማት ከዓ ናይ ኣሲማት ጣዖት ገበሩ፤</verse>
				<verse number="31">እቶም ሰብ ዓዋ ድማ ናይ ኒብሓዝን ተርታቅን ጣዖታት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሴፈርዋይም ከዓ ንኣማልኽቲ ሴፈርዋይም ንኣድራሜሌክን ንኣነሜሌክን ዝበሃሉ ኣማልኽቶም ደቆም ኣብ ሓዊ ኣቃፂሎም ይስውኡሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርሑ ነበሩ፤ ነቲ ዀረብታ መስገዲ ኻብ ማእኸሎም ከዓ ዝኾነ ሰብ ካህን ይገብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ኰረብታ መስገዲ መስዋእቲ ይስውኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ ነበሩ፤ ግና፥ ከምቲ ቐደም ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓት ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኸም ልማዶም ይገብሩ ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ኣይፈርሕዎን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ ያእቆብ ዝሃቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ትእዛዛትን ኣይሓለዉን።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኪዳን ኣትዩ ነበረ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዚዙዎም ነበረ፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎም፤ ኣይተገልግልዎም፤ ኣይትሰውኡሎም።</verse>
				<verse number="36">ንኣይ ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብሓያል ቅልፅምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኩኹም እግዚኣብሄር ደኣ ኣምልኹ፤ ስገዱ፤ ሰውኡ።</verse>
				<verse number="37">ነቲ ዝፀሓፍኩልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ኣይተምልኽዎም።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ኣይትረስዕዎ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይተምልኽዎም።</verse>
				<verse number="39">ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ ድማ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እየ።”</verse>
				<verse number="40">ንሳቶም ግና ኸምቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ገበሩ እምበር፥ ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="41">ስለዙይ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይፈርሕዎ ነበሩ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታቶምውን የምልኹ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ሕዝቅያስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ሕዝቅያስ ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ መስገዲታት ኣወገዶ፤ ነቲ ኣዕማድ ኣእማን ሰባበሮ፤ ነቲ ሓወልትታት ኣስታሮትውን ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ናይ ነሃስ ተመን ድማ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ሰባባሮ። ስሙውን ነሑሽታን ኢሉ ፀውዖ።</verse>
				<verse number="5">ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፤ ይሁዳ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉስ ረኺባ ኣይትፈልጥን።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ተጣበቐ፤ ንእኡ ካብ ምኽታልውን ኣይረሓቐን፤ ነቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱ ሓለወ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።</verse>
				<verse number="8">ንፍልስጥኤማውያን ድማ ኻብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኽሳዕ ጋዛን ወሰናታን ሰዓሮም።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፥ ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ንኸተማ ሰማርያ ኸበባ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከዓ ሰማርያ ተትሓዘት። እዙይ ዝኾነ ሕዝቅያስ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ካብ ዝነግስ ከዓ ኣብ ታሽዓይ ዓመቱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎን ንኺዳኑ ብምፍራሶምን፥ ነቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ኣብ ለኪሽ እንተሎ፥ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ “በዲለ እየ፤ ግና ዘሰከምካኒ ክስከም እየ እሞ፥ ካብ ምድረይ ተመለስ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፤ ሰናክሬም ከዓ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ “ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን ክፈል” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሕዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።</verse>
				<verse number="16">ከምኡውን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓፁ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውቱን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ።</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ።</verse>
				<verse number="18">“ንንጉስ ሕዝቅያስ ፀውዑልና” ድማ በሉ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤትን፥ ሰብና ፀሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኣቶም ወፁ።</verse>
				<verse number="19">ራፋስቂስውን በሎም፦ “ንንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ በልዎ፦ “እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እዝ ተኣሚንካዮ ዘለኻ እሙንቶ እዙይ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="20">ንስኻ ንውግእ ክእለትን ሓይልን ኣለኒ ትብል ኣለኻ፤ ግና ቃል ከንፈር ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኸዳዕኻኒ ደኣ ብመን ተኣሚንካ ኢኻ?</verse>
				<verse number="21">እንሆ፥ ሕዚ ብግብፂ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ። ንሱ ንዝተመርኰሶ ሰብ፥ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ እዩ ዝኣቱ፤ የንኵሎን የቝስሎንውን፤ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዓ ንዝተኣማመንዎ ዅሎም ከምኡ እዩ።”</verse>
				<verse number="22">“ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና እንተ በልኩምኒ ድማ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ንህዝቢ ይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣብ ቅድሚ እዝ መሰውኢ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ስገዱ ኢልካ ኣብ ኰረብታ ዝነበሩ መሰውኢታቱ ዘፍረስካሉ ንስኻዶ ኣይኮንካን?</verse>
				<verse number="23">“ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="24">ብናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን እንተ ተኣመንካ፥ ካብዞም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ ንሓደ ሓለቓ ኽትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ።</verse>
				<verse number="25">ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ ዝመፃእኹ ይመስለካ? እግዚኣብሄር እዩ ናብዛ ሃገር እዚኣ ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ በልዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያን ሳምናስን ዮኣሳን ነቲ መራሒ ንራፋስቂስ “ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፥ በይዛኻ ንሓሻኽርካ ብቛንቋ ሶርያ ተዛረበና፤ ግና እዝ ኣብ መካበቢያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቋንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።</verse>
				<verse number="27">ራፋስቂስ ግና “ንጉስ፥ እዝ ነገር እዙይ ክናገር ናባኻን ናብ ጐይታኻንዶ ልኢኹኒ እዩ? ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፥ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኮነን?” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ራፋስቂስ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ዓው ኢሉ ተዛረበ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሕዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ንሱ ኣየዐሹኹም።</verse>
				<verse number="30">ሕዝቅያስ ድማ፥ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።</verse>
				<verse number="31">“ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ።</verse>
				<verse number="32">ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ።</verse>
				<verse number="33">ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነዶ ኣሎ?</verse>
				<verse number="34">ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሴፈርዋይምን ሄናዕን ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም?</verse>
				<verse number="35">ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየንኦም እዮም? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ?”</verse>
				<verse number="36">ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ ሓደ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።</verse>
				<verse number="37">ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያ ኣዛዚ ቤትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ዮኣሳ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ሕዝቅያስ መፁ እሞ ዘረባ ራፋስቂስ ነገርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤቱን ሳምናስ እቲ ፀሓፍን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ “ንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መከራን ውርደትን እያ፤ ህፃናት ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ልኡኻት ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ መፁ፥</verse>
				<verse number="6">ኢሳይያስ ድማ ንጐይታኹም፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘በቲ ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ክፀርፉኒ ዝሰማዕኻዮም ነገር ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ክሰድድ እየ፤ ወረውን ክሰምዕ እዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ከም ዝወድቕ ኽገብሮ እየ በልዎ’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ራፋስቂስ፥ ንጉስ ኣሶር ካብ ለኪስ ከም ዝረሓቐ ምስ ሰምዐ ተመለሰ፤ ኣብ ሊብና ኽዋጋእ እንተሎ ድማ ረኸቦ።</verse>
				<verse number="9">ሰናክሬም ግና “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ፥ ክወግአካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ልኡኻት ሰደደ፦</verse>
				<verse number="10">“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ ‘እዝ ንስኻ እትእመኖ ዘለኻ ኣምላኽካ “ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ” ኢሉ ኣየዐሹኻ።</verse>
				<verse number="11">ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት እንታይ ከም ዝገበርወንን፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወንን እንሆ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ንስኻኸ እትድሕንዶ ይመስለካ?</verse>
				<verse number="12">ኣቦታተይ ንህዝቢ ጐዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔድንን ኣጥፍእዎም፤ እቶም ኣማልክቲዶ ንኣህዛብ ኣድሒኖምዎም እዮም?</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ንጉስ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ?’ ”</verse>
				<verse number="14">ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ ካብ ኢድ እቶም መልእኽተኛታት ተቐቢሉ ኣንበባ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።</verse>
				<verse number="15">ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካዮ።</verse>
				<verse number="16">ኦ እግዚኣብሄር! ኣእዛንካ ኣዘምቢልካ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ረአ። ነቲ ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ቃል ሰናክሬም ከዓ ስማዕ።</verse>
				<verse number="17">“ኦ እግዚኣብሄር! ነገስታት ኣሶር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶምን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕንፀይትን ካብ እምንን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እምበር፥ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ድማ ኣጥፍእዎም።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! ንልምነካ ኣለና፤ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ኽፈልጣ፥ ካብ ኢድ ሰናክሬም ኣድሕነና።”</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ነቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፥ ሰሚዐዮ ኣለኹ’ ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="21">እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ እዙይ እዩ፦ እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካን ኣባጨወትልካን፥ እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ።</verse>
				<verse number="22">ዝፀረፍካዮን ዘላገፅካሉን ንመን ኢኻ? ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ፥ ኣዒንትኻ ንላዕሊ ቛሕ ዘበልካሉ፥ ናብ መን ኢኻ? ናብቲ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።</verse>
				<verse number="23">ብልኡኻትካ ጌርካ ኸምዙይ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ፀረፍካ፦ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ፥ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ናብ ጫፍ ሊባኖስ ደየብኩ፤ ነቲ ነዋሕቲ ዝግባታቱን፥ ነቲ ሕሩይ ፅሕድታቱን ከዓ ቘረፅኩ፤ ናብቲ ዝረሓቐ መሕደሪኡ፥ ናብቲ ዱር ቀርሜሎስ ክኣቱ እየ።</verse>
				<verse number="24">ኰዓትኩ ጋሻ ማይውን ሰተኹ፤ ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ።</verse>
				<verse number="25">ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ? ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥ ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ እቶም ዝነብርወን ሰባት ሓይሊ ሰኣኑ፤ ተሸበሩን ሓፈሩን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልምሉም በቝልን፥ ከምቲ እንተይሸወተ፥ ሕሞድያ ዝወቕዖ እኽልን ኮኑ።</verse>
				<verse number="27">ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን፥ ኣባይ ዝተቘጣዕኻዮ ምቝጣዕን ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">ቍጥዓኻን ትዕቢትካን ናብ እዝነይ በፂሑ እዩሞ፥ መቑለበይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብር እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">እቶም ዘምለጡ ተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ክሰዱ፥ ኣብ ላዕሊ ኸዓ ኽፈርዩ እዮም።</verse>
				<verse number="31">ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዘምለጡ ክወፁ እዮም፤ ነዙይ ከዓ ቕንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።”</verse>
				<verse number="32">ስለዙይውን እግዚኣብሄር ስለ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል “ሰናክሬም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፤ ኣብኣ ድማ ፍላፃ ኣይውርውርን እዩ፥ ዋልታውን ኣይምክተላን እዩ፤ መደያይቦ ኸዓ ኣይኹምረላን እዩ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ እዩ እምበር፥ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ።</verse>
				<verse number="34">ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ኸዓ፥ እንሆ ዅላቶም ሬሳታት ኮይኖም ፀንሑ።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ተሲኡ ኸደ፤ ተመሊሱውን ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="37">ሓደ መዓልቲ ሰናክሬም ኣብ ቤት ኣምልኹ ናሳራክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳን ብሰይፊ ቐተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣስራዶን ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፦</verse>
				<verse number="3">ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።</verse>
				<verse number="4">ኢሳይያስውን ገና ናብቲ ኣደባባይ ማእኸላዊ ኸተማ እንተይበፅሐ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦</verse>
				<verse number="5">“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣምፂኦም ከዓ ኣብቲ ዝሓበጠ ቝስሉ ገበሩሉ እሞ፥ ሓወየ።</verse>
				<verse number="8">ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ከም ዘሕውየንን፥ ኣነውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብንከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢሳይያስ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍፅሞ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ምልክት እዙይ እዩ፦ እዝ ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይ ንድሕሪት ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ?” በለ።</verse>
				<verse number="10">ሕዝቅያስ ከዓ “ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ክኸይድስ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ እቲ ፅላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ” በለ።</verse>
				<verse number="11">ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ ነቲ ፅላሎት ብናይ ኣካዝ ኣሰፋፍራ ሰዓት ፅላሎት በቲ ዝወረደሉ መንገዲ፥ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት መለሶ።</verse>
				<verse number="12">በቲ ጊዜ እቱይ መሮዳክ ወዲ መሮዳክባልዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፀ በረኸትን ናብ ሕዝቅያስ ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="13">ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካበይ መፂኦም? እንታይከ ኢሎምኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="15">ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስትኻኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኵሉ ኣብ ቤተ መንግስተይ ዘሎ ሪኦም እዮም፤ ኣብ መዛግብተይ ዘየርአኽዎም ነገር የለን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="16">ኢሳይያስ ድማ ንሕዝቅያስ ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ፦</verse>
				<verse number="17">‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ሕዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ “ብዘመነይ ደኣ ሰላምን ህድኣትን ይኹን እምበር፥ ‘እዝ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ’ ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="21">ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ምናሴ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።</verse>
				<verse number="4">ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐሎም።</verse>
				<verse number="6">ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።</verse>
				<verse number="8">ሓንትስ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ከዓ ንምፍፃም እንተ ተጠንቀቑ፥ ሽዑ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዞምን እየ።”</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ምናሴ ድማ ኣስሓቶም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ገበሩ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነቢያት ገይሩ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="11">“ምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዘፀይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን፥ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦምን፥</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንዝሰምዖ ዅሉ ዘስካሕክሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምፅእ እየ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምውን ክዝርግሖ እየ። ከምቲ ንፃሕሊ ወልዊልካ ብኣፉ እትደፍኦ፥ ከምኡ ድማ ኣነ ንኢየሩሳሌም ወልዊለይ ክግልብጣ እየ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ተረፍ ርስተይ ከዓ ኽድርብዮም እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽማርኽዎም እዮም፤ ንምድሮም ድማ ኽዘርፍዎ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”</verse>
				<verse number="16">ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="18">ምናሴ ሞተ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ፥ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።</verse>
				<verse number="19">ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሜሶላም እትበሃል ጓል ሓሩስ በዓልቲ ዮጥባ ነበረት።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="21">ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ዝኸዶ መንገዲ ድማ ኸደ፤ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣዖታት ከዓ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን።</verse>
				<verse number="22">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።</verse>
				<verse number="23">ሹመኛታት ኣሞፅ ድማ ሻራ ገበሩሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="24">ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን ዘሻረዉሉ ዅሎም ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገሶ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ዝተረፈ ኣሞፅ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="26">ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮስያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። እኖኡ የዲዳ ጓል ዓዳያ እትበሃል በዓልቲ በሱሮት ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።</verse>
				<verse number="3">ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብ ሻምናይ ወርሒ እቲ ንጉስ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ፥ ወዲ ኤዜልያስ ወዲ የሜሶላም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ለኣኾ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦</verse>
				<verse number="4">“ናብቲ ሊቀ ካህናት ናብ ኬልቅያስ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ኣፍ ደገ ዝሕልዉ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ዝኣተወ ገንዘብ ክቘፅሮ ንገሮ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ይሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ቤት እግዚኣብሄር ዝፅግኑ፥</verse>
				<verse number="6">ፀረብትን ሃነፅትን ነደቕትን ይኽፈልዎም፤ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ከዓ ይኽፈልዎ።</verse>
				<verse number="7">ግና ንሳቶም እሙናት ነበሩሞ፥ ስለ እቲ ኣብ ኢዶም ዝወሃብ ኣይቈፃፃርዎን ነበሩ።”</verse>
				<verse number="8">ሊቀ ካህናት ኪልቂያ ኸዓ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ኪልቂያ ድማ ነቲ መፅሓፍ ንሳፋን ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣንበቦ።</verse>
				<verse number="9">ሳፋን እቲ ፀሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እቶም ሓሻኽርካ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ገንዘብ ወሲዶም ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ሂቦምዎም” ኢሉ ነቲ ንጉስ ነገሮ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንጉስውን ንካህን ኬልቂያስን፥ ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን፥ ንዓክቦር ወዲ ሚካያን፥ ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከሩን ድማ፥</verse>
				<verse number="13">“ኣቦታትና ንቓላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ከምቲ ዝእዝዞ ስለ ዘይገበሩ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ኸዓ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ፥ እቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቦ፥ ንኢየሩሳሌምን ህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ።</verse>
				<verse number="17">ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትጥይቑ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="19">ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብሰላምውን ክትቅበር ኢኻ፤ ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምፅኦ ዅሉ መከራ ድማ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ናብኡ ኣከቦም።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ካህናትን ነቢያትን ብምሉኡ ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ናይ ቃል ኪዳን መፅሓፍ ቃል ብምሉኡ ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ክኽተል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ክሕልውዎ ቃል ኪዳን ኣተዉ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስን ነቶም ትሕቲኡ ዝኾኑ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ነቲ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክኸውን ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከውፅእዎ ኣዘዞም፤ ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ኣብ ለሰ ቄድሮን ከዓ ኣቃፀሎ፤ ነቲ ሓሙዅሽቲውን ናብ ቤቴል ወሰዶ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ነገስታት ይሁዳ፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኽዓጥኑ ዝመደብዎም ካህናትን፥ ነቶም ንጣዖት በዓልን ንፀሓይን ንወርሕን ንእኩብ ከዋኽብትን ንኻልኦት ሰራዊት ሰማይን ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናትን ድማ ኣወገዶም።</verse>
				<verse number="6">ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ።</verse>
				<verse number="7">ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ሰዶማውያን ኣፍረሰን። እዙይ ኣንስቲ ኣብኣተን ኮይነን ንጣዖት ኣስታሮት ዝኸውን መጋረጃ ዝኣልማሉ ዝነበራ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንጉስ ኢዮስያስ ንዅሎም ካህናት ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውፂኡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦም፤ ነቲ ንሳቶም ንጣዖት ዝዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸዓ ኻብ ገባዖን ጀሚሩ ኽሳዕ ቤርሳቤህ ኣርከሶ፤ ነቲ ደገታት፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኢያሱ መራሒ እታ ኸተማ ዝነበረ፥ ነቲ ብፀጋም ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ ጣዖትውን ኣፍረሶ።</verse>
				<verse number="9">እዞም ኣብ በረኽቲ ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናት ግና፥ ምስ ኣሕዋቶም ካህናት ኮይኖም ደኣ መባዅዕቲ ዘይኣተዎ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፥ ናብቲ መሰውኢ ኸገልግሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣትዉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።</verse>
				<verse number="11">ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንኣምልኾ ፀሓይ ዝወፈይዎም፥ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅፅሪ ቤተ መቕደስ፥ ኣብታ ናታንሜሌክ ዝበሃል ስሉብ ዝነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣወገዶም። ነቲ ሰረገላታት ፀሓይውን ብሓዊ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮስያስ ከዓ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ኰረብታ ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕፅምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፥ ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ኣርከሶውን።</verse>
				<verse number="17">ኢዮስያስ ድማ “እዝ ዝሪኦ ዘለኹ ሓወልቲ መቓብርከ እንታይ እዩ?” በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ “እዝ መቓብር እዙይ ናይቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ እሞ ብዛዕባ እዝ ኣብ ቤቴል ዝነበረ ዘፍረስካዮ መሰውኢ ዝተነበየ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ድማ “ሕደጉ፥ ኣይትንክእዎ” በሎም። ስለዙይ ኣዕፅምቱ ኣይተነኽአን ኣዕፅምቲ ናይቲ ኻብ ሰማርያ ዝመፀ ነቢይውን ምስኡ ተረፈ።</verse>
				<verse number="19">ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፥ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከቘጥዕዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኵለን በረኽቲ መስገዲታት ድማ ኢዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ኸምቲ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ ገበረን።</verse>
				<verse number="20">ንዅሎም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ በረኽቲ ንጣዖት ዘገልግሉ ኻህናት ከዓ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣዕፅምቲ እቶም ሰባት ኣቃፀለ። ካብኡ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንጉስ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋሲካ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="22">ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝመርሑሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸዓ፥ ብዅሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዙይ ዝበለ ፋሲካ ኣይተብዓለን።</verse>
				<verse number="23">ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ እዝ በዓል እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተብዓለ።</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ኻህን ኬልቅያስ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ምእንቲ ኽፍፀም ኢሉ ነቶም ንመናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑ ንጠንቈልትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣማልኽትን ንጣዖታትን ንዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣቑሑን ኣወገዶ።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተስአን።</verse>
				<verse number="26">ግና በቲ ምናሴ ዝገበሮ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ነዲዱ ነበረ፤ ሕዚ እውን እንተ ኾነ ኻብ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ድማ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ነዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ከዓ ኽድርብየን እየ” በለ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="29">ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="30">ሓሻኽሩ ድማ ብምዉቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብ መቓብሩ ኸዓ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፤ ክንዲ ኣቦኡ ኸዓ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="31">ኢዮኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።</verse>
				<verse number="32">ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="33">ንጉስ ኒካዑ ድማ ንኢዮኣዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ እትበሃል ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።</verse>
				<verse number="34">ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።</verse>
				<verse number="35">ኢዮኣቄም ከዓ ንኒካዑ ንጉስ ግብፂ ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ከምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ብፅሒቱ ኣኽፈሎ።</verse>
				<verse number="36">ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዘቢዳ እትበሃል ጓል ፈዳያ በዓልቲ ሩማ ነበረት።</verse>
				<verse number="37">ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ብዘመን ኢዮኣቄም፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፀ። ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝአሉ። ግና መሊሱ ዓመፀ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ።</verse>
				<verse number="3">እዙይ ከዓ ብሰንኪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ እግዚኣብሄር ንይሁዳ ኻብ ገፁ ከወግዳ ስለ ዝኣዘዘ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብፍላይ ድማ ንፁህ ደም ብምፍሳስ፥ ንኢየሩሳሌም ብደም ስለ ዝመልኣ እዩ። በዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንምናሴ ክርህርሀሉ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ከዓ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="6">ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ዝኾነ፥ ካብ ሩባ ግብፂ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረሞ፥ ድሕሪዙይ ንጉስ ግብፂ ምስ ሰራዊቱ ኻብ ሃገሩ ወፂኡ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="8">ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ኔስታ እትበሃል ጓል ኤልናታን በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="10">ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሰራዊት ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መፀ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ።</verse>
				<verse number="14">ንህዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብሙሉኦም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዋጋእትን ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ብሙሉኦም ዓሰርተ ሽሕ ማሪኹ ወሰደ፤ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ፥ እንትርፊ እቶም ድኻታት፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="15">ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="16">ናቡከደነፆር ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ንውግእ ዝበቕዑ ተዋጋእቲ፥ ሽሕ ዝኾኑ ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ንዅሎም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="17">ከምኡውን ናቡከደነፆር ንማታንያ፥ ሓወቦኡ ንኢኮንያን፥ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። ስሙ ድማ ሴዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።</verse>
				<verse number="18">ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓልቲ ሊብና ነበረት።</verse>
				<verse number="19">ንሱውን ከምቲ ዅሉ ኢዮኣቄም ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="20">እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። ብዙርያኣ ድማ ዕርዲ ነደቑላ።</verse>
				<verse number="2">እታ ኸተማ ድማ ንሴዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ተኸቢባ ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ፤ ኵሎም ሰራዊቱ ድማ ኻብኡ ፋሕ በሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንሴዴቅያስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፤ ንጉስ ባቢሎን ከዓ ፈረዶ።</verse>
				<verse number="7">ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="8">ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።</verse>
				<verse number="9">ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን።</verse>
				<verse number="10">እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ከለዳውያን ከዓ ንመካበብያታት ኢየሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረስዎ።</verse>
				<verse number="11">ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝተፀግዑን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ መቐመጢ ኣቑሑን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ጋብላ ነሃስን ሰባበርዎ። ነቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="14">ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪያታትን ካራታትን ፅዋዓትን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓምድን ሓደ ጋብላን መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑን ዝተሰርሐሉ ነሃስ ዓብዪ ስለ ዝነበረ ኽመዝንዎ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="17">ቁመት እቲ ሓደ ዓምዲ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጕልላት ነበሮ፤ ቁመት እቲ ጉልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፤ ነቲ ጕልላት ከዓ ብዙርያኡ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ነበሮ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብነሃስ ዝተገብረ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ።</verse>
				<verse number="18">ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም።</verse>
				<verse number="19">ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓሙሽተ ኣማኸርቲ ንጉስን ወሰደ። ከምኡውን ነቲ ሓሻኽር ዝኸትብ ፀሓፍን፥ ካብቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ስሳ ሰባትን ወሰደ።</verse>
				<verse number="20">ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነዚኣቶም ወሲዱ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ናብ ሪብላ ኣምፅኦም።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ህዝቢ ይሁዳ ብኸምዙይ ካብ ሃገሮም ተማሪኾም ከዱ።</verse>
				<verse number="22">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ጎዶልያስ ድማ “ካብ ሹመኛታት ከለዳውያን ኣይትፍርሑ፤ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፤ ንንጉስ ባቢሎን ከዓ ተገዝእዎ እሞ ፅቡቕ ነገር ክኾነልኩም እዩ” ኢሉ መሓለሎም፤ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከዓ ኣረጋግኦም።</verse>
				<verse number="25">በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ኤሊሻማ፥ ዓሰርተ ሰብ ምስኡ መፂኦም ንጎዶልያስ ቀተልዎ፤ ነቶም ምስኡ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="26">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ።</verse>
				<verse number="27">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።</verse>
				<verse number="28">ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ፅቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖ፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ዅልሻዕ ካብ ንጉስ ይወሃቦ ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="13">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣዳም ንሴት፥ ሴት ንሄኖስ ወለደ።</verse>
				<verse number="2">ሄኖስ ንቃይናን፥ ቃይናን ንመላልኤል፥ መላልኤል ንያሬድ ወለደ።</verse>
				<verse number="3">ያሬድ ንሄኖክ፥ ሄኖክ ንማቱሳላ፥ ማቱሳላ ንላሜህ ወለደ።</verse>
				<verse number="4">ላሜህ ንኖህ፥ ኖህ ከዓ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ፥</verse>
				<verse number="7">ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ፥</verse>
				<verse number="8">ደቂ ካም፦ ኩሽ፥ ሚፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን፥</verse>
				<verse number="9">ደቂ ኩሽ፦ ሳባ፥ ኤውላጥ፥ ሰብታ፥ ራዕማ፥ ሰብቃታ። ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን፥</verse>
				<verse number="10">ኩሽ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ምዃን ጀመረ።</verse>
				<verse number="11">ሚፅራይም ከዓ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንላህቢምን፥</verse>
				<verse number="12">ንነፍተሂምን፥ ንፈትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝተወለዱ ኻስሉሂምን ንከፍቶሪምን ወለደ።</verse>
				<verse number="13">ከነዓን ድማ ንሲዶን በዅሪ ወዱን፥</verse>
				<verse number="14">ንኬጢን፥ ንኢያቡሳውያንን፥ ንኣሞራውያንን፥</verse>
				<verse number="15">ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያዊውን፥ ንዓርካውያንን ንሲናውያንን፥</verse>
				<verse number="16">ንኣርዴዋውያንን ንሰማራውያንን ንኣማታውያንን ወለደ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ሴም፦ ኤላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም፥ ዑፅ፥ ሁል፥ ጌቴር፥ ሞሳሕ፥</verse>
				<verse number="18">ኣርፋክስድ ከዓ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ንሳላ ወለደ፤ ሳላ ድማ ንዔቦር ወለደ።</verse>
				<verse number="19">ንኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦ እቲ ሓደ፥ ብዘመኑ ህዝቢ ዓለም በብዓሌቶም ስለ ዝተኸፋፈሉ፥ ፋሌቅ ተብሃለ፤ እቲ ሓዉ ኸዓ ዮቅጣን ተብሃለ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ዮቅጣን፥ ኣልሞዳድ፥</verse>
				<verse number="21">ሳሌፍ፥ ሓሰርሞት፥ ያራሕ፥ ሃዶራም፥</verse>
				<verse number="22">ኣውዛል፥ ደቅላ፥ ዖባል፥ ኣቢማኤል፥</verse>
				<verse number="23">ሳባ፥ ኦፊር፥ ኤውላጥ፥ ዮባብ ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ሴም ንኣርፋክሳድ፥ ኣርፋክሳድ ንሳላ ወለደ።</verse>
				<verse number="25">ሳላ ንዔቦር፥ ዔቦር ንፋሌቅ፥ ፋሌቅ ንራግው ወለደ።</verse>
				<verse number="26">ራግው ንሴሮሕ፥ ሴሮሕ ንናኮር፥ ናኮር ንታራ ወለደ።</verse>
				<verse number="27">ታራ ኣብርሃም ንዝተብሃለ ንኣብራም፥ ወለደ።</verse>
				<verse number="28">ደቂ ኣብርሃም፦ ይስሓቅን እስማኤልን ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">ደቂ እስማኤል ከዓ በዅሩ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ነብዳኤል፥ መብሳም፥</verse>
				<verse number="30">ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥ ኩዳን፥ ቴማን፥</verse>
				<verse number="31">ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ፥ እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።</verse>
				<verse number="32">ኣብርሃም፥ ኬጡራ እትበሃል ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ንሳ ንዘምራንን ንዮቅሳንን ንሜዳንን ንምድያምን ንየስቦቅን ንስዌሕን ወለደትሉ። ደቂ ዮቅሳን ከዓ፥ ሳባን ድዳንን እዮም።</verse>
				<verse number="33">ደቂ ምድያም ድማ፥ ጌፌር፥ ዔፌር፥ ሄኖሕ፥ ኣቢዳዕ፥ ኤልዳዓ እዮም። እዚኣቶም ኵላቶም ደቂ ኬጡራ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ከዓ ንኤሳውን ንያእቆብን ወለደ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ ኤሳው፦ ኤሊፋዝ፥ ራጉኤል፥ የዑስ፥ የዕላም፥ ቆሬ፥</verse>
				<verse number="36">ደቂ ኤሊፋዝ፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ፥ ቲምናዕ፥ ኣማሌቅ፥</verse>
				<verse number="37">ደቂ ራጉኤል፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ፥</verse>
				<verse number="38">ደቂ ሴይር፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብዖን፥ ዓና፥ ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን፥</verse>
				<verse number="39">ደቂ ሎጣን፦ ሖሪ፥ ሔማም። ሎጣን ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ።</verse>
				<verse number="40">ደቂ ሶባል፦ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ዔባል፥ ስፎ፥ ኣውናም፥ ደቂ ፅብዖን፦ ኣያ፥ ዓና፥</verse>
				<verse number="41">ወዲ ዓና፦ ዲሶን፥ ደቂ ዲሶን፦ ሓምዳን፥ ኤስባን፥ ይትራን፥ ክራን፥</verse>
				<verse number="42">ደቂ ኤፅር፦ ቢልሓን፥ ዛዕዋን፥ ዓቃን፥ ደቂ ዲሳን፦ ዑፅ፥ ኣራን እዮም።</verse>
				<verse number="43">ኣብ እስራኤል ንጉስ ገና ኸይነገሰ እንተሎ፥ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ቅድም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦ ባላቅ ወዲ ቢዖር፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዲንሃባ ኾይኑ ነገሰ።</verse>
				<verse number="44">ባላቅ ምስ ሞተ ኽንድኡ ኢዮባብ ወዲ ዛራ ኣብ ባሰራ ኾይኑ ነገሰ።</verse>
				<verse number="45">ኢዮባብ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሑሳም ኣብ ሃገር ቴማናውያን ኮይኑ ነገሰ።</verse>
				<verse number="46">ሑሳም ምስ ሞተ፥ ክንድኡ እቲ ንምድያም ኣብ ሜዳ ሞዓብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ ባዳድ ነገሰ፤ ስም እታ ኸተማ ድማ ዓዊት ነበረ።</verse>
				<verse number="47">ሃዳድ ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሰምላ በዓል መስሬቃ ነገሰ።</verse>
				<verse number="48">ሰምላ ምስ ሞተ፥ ሳኡል ኣብታ ኣብ ሩባ ዘላ ረሆቦት ኮይኑ ኽንድኡ ነገሰ።</verse>
				<verse number="49">ሳኡል ምስ ሞተ፥ ክንድኡ በኣልሓናን ዝበሃል ወዲ ዓክቦር ነገሰ።</verse>
				<verse number="50">በኣልሓናን ምስ ሞተ፥ ክንድኡ ሃዳድ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ፋዑ ኾይኑ ነገሰ። ሰበይቱ መሄጣብኤል እትበሃል፥ ጓል መጥሬድ፥ ጓል ሜዛሃብ እያ። ሃዳድውን ሞተ።</verse>
				<verse number="51">ኣሕሉቕ ኤዶምያስ እዚኣቶም ነበሩ፦ ቲምናዕ ሓላቓ፥ ዓልዋ ሓላቓ፥ የቴት ሓላቓ፥</verse>
				<verse number="52">ኣህሊባማ ሓለቓ፥ ኤላ ሓለቓ፥ ፊኖን ሓለቓ፥</verse>
				<verse number="53">ቄኔዝ ሓለቓ፥ ቴማን ሓለቓ፥ ሚብሳር ሓለቓ፥</verse>
				<verse number="54">መግዲኤል ሓለቓ፥ ዒራም ሓለቓ፥ እዚኣቶም ሓለቓታት ኤዶምያስ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ደቂ ያእቆብ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥</verse>
				<verse number="2">ዳን፥ ዮሴፍ፥ ብንያም፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር እዮም።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ይሁዳ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ካብታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ጓል ሹዓ ዝተወለዱሉ እዮም። ዔር በዅሪ ይሁዳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀተሎ።</verse>
				<verse number="4">ይሁዳ ድማ ኻብ ትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ ንፋሬስን ዛራን ወለደ፤ ደቂ ይሁዳ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥</verse>
				<verse number="6">ደቂ ዛራ፦ ዘምሪ፥ ኤታን፥ ሄማን፥ ከልኮል፥ ዳራ፥ ኵሎም ሓሙሽተ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ከርሚ ንኣካን ወለደ፤ ኣካን እቲ ኻብቲ ዝተሓረመ ብምውሳድ ንደቂ እስራኤል ጥፍኣት ዘምፅአሎም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኤታን ንኣዛርያ ወለደ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም።</verse>
				<verse number="10">ኣራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ከዓ ንነኣሶን ሓላቓ ደቂ ይሁዳ ወለደ።</verse>
				<verse number="11">ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ከዓ ንቦዔዝ ወለደ።</verse>
				<verse number="12">ቦዔዝ ድማ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ከዓ ንእሴይ ወለደ።</verse>
				<verse number="13">ደቂ እሴይ፦ በዅሪ ኤልያብ፥ ካልኣይ ኣሚናዳብ፥ ሳልሳይ ሳማን፥</verse>
				<verse number="14">ራብዓይ ናትናኤል፥ ሓምሻይ ራዳይ፥</verse>
				<verse number="15">ሻድሻይ ኣሳም፥ ሻውዓይ ዳዊት ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ካሌብ ወዲ ኤስሮም ከዓ ኻብ ዓዙባ ሰበይቱ ይሪኦትም እትበሃል ጓል ወለደ፤ ንሳ ድማ ንያሳርን ሶባብን ኣርዶንን ወለደት።</verse>
				<verse number="19">ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="20">ሆር ድማ ንኡሪ ወለደ፤ ኡሪ ኸዓ ንባስልኤል ወለደ፤</verse>
				<verse number="21">ደሓር ድማ ኤስሮም ንጓል ማኪር ኣቦ ገለዓድ ኣእተዋ እሞ ንሰጉብ ወለደትሉ። ንሱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ሴጉብ ድማ ንኢያኢር ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዕስራን ሰለስተን ከተማታት ነበራኦ።</verse>
				<verse number="23">ጌሹርን ኣራምን ግና ንኣኣቶም ስሳ ኸተማታት ኣሕደግዎም። ኢያዕርን ቄናትን እተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ቝሸታትን እውን ካብኣተን ነበራ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ገለዓድ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ኤስሮም ኣብ ኤፍራታ ናይ ካሌብ ምስ ሞተ፥ ኣቢያ ሰበይቱ፥ ኣቦ ቴቁሔ ንዝኾነ ንኣሽሑር ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ይረሕምኤል፥ በዅሪ ወዱ ንኤስሮም፦ በዅሪ ራም፥ ቡናህ፥ ኦሬን፥ ኣፄም፥ ኣኪያ።</verse>
				<verse number="26">ንይረሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸዓ ነበረቶ፤ ንሳ እኖ ኦናም እያ።</verse>
				<verse number="27">ደቂ ራም በዅሪ ወዱ ንይረሕምኤል፦ መዓስ፥ ያሚን፥ ዔቄር እዮም።</verse>
				<verse number="28">ደቂ ኦናም፦ ሸማይን ያዳን እዮም። ደቂ ሸማይ፦ ናዳብን ኣቢሱርን እዮም።</verse>
				<verse number="29">ስም ሰበይቲ ኣቢሱር ከዓ ኣቢካኢል እዩ። ንሳ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="30">ደቂ ናዳብ፦ ሴሌድን ኣፋይምን ነበሩ። ሴሌድ ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።</verse>
				<verse number="31">ኣፋይም ንይሽዒ ወለደ፤ ይሽዒ ንሶሳን ወለደ፤ ሶሳን ንኣሕላይ ወለደ።</verse>
				<verse number="32">ደቂ ያዳዕ ሓው ሸማይ፦ ዮቴርን ዮናታንን ነበሩ። ዮቴርውን ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።</verse>
				<verse number="33">ደቂ ዮናታን፦ ፌሌትን ዛዛን፥ እዚኣቶም ደቂ ይረሕምኤል እዮም።</verse>
				<verse number="34">ንሶሳን ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ንሶሳንውን ኢዮሄል ዝስሙ ግብፃዊ ሓሽከር ነበሮ።</verse>
				<verse number="35">ሶሳን ንኢዮሄል ሓሽከሩ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓሉ ሃቦ፤ ንሳ ኸዓ ንዓታይ ወለደት።</verse>
				<verse number="36">ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ፤ ናታን ድማ ንዛባድ ወለደ፤</verse>
				<verse number="37">ዛባድ ንኤፍላል ወለደ፤ ኤፍላል ከዓ ንዖቤድ ወለደ፤</verse>
				<verse number="38">ዖቤድ ንኢዩ ወለደ፤ ኢዩ ድማ ንኣዛርያስ ወለደ፤</verse>
				<verse number="39">ኣዛርያስ ንኬሌስ ወለደ፤ ኬሌስ ከዓ ንኤልዓሳ ወለደ፤</verse>
				<verse number="40">ኤልዓሳ ንሲስማይ ወለደ፤ ሲስማይ ድማ ንሰሎም ወለደ፤</verse>
				<verse number="41">ሰሎም ንየቃምያ ወለደ፤ የቃምያ ድማ ንኤሊሳማ ወለደ፤</verse>
				<verse number="42">ካሌብ ሓው ይረሕምኤል ንበዅሪ ወዱ ሞሳ ወለደ፤ ሞሳ ንዚፍ ወለደ፤ ዚፍ ንመሪሳ ወለደ፤ መሪሳ ንኬብሮን ወለደ፤</verse>
				<verse number="43">ደቂ ኬብሮን፦ ቆሬ፥ ተፉዋ፥ ሬቄም፥ ሽማዕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">ሸማዕውን ንረሓም ወለደ፤ ረሓም ንዮርቅዓም ወለደ፤ ሬቄም ድማ ንሸማይ ወለደ፤</verse>
				<verse number="45">ሸማይ ንማዖን ወለደ፤ ማዖን ድማ ንቤትፁር ወለደ፤</verse>
				<verse number="46">ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞዳን ጋዜዝን ወለደትሉ። ሓራን ከዓ ንጋዜዝ ወለደ።</verse>
				<verse number="47">ደቂ ያህዳይ፦ ሬጌም፥ ኢዮታም፥ ጌሻን፥ ፋሌጥ፥ ሔፋ፥ ሸዓፍ እዮም።</verse>
				<verse number="48">ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሼቤርን ንቲርሓናን ወለደት።</verse>
				<verse number="49">እቲ ንመድማና ዝመስረተ ሸዓፍን፥ እቲ ንመክቢናን ንጊብዓን ዝወለደ ንሱሳን ወለደትሉ። ካሌብ፥ ዓክሳ እትበሃል ጓልውን ነበረቶ።</verse>
				<verse number="50">ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።</verse>
				<verse number="51">ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ።</verse>
				<verse number="52">ኣቦ ቂርያትይዓሪም ሶባል፥ ኣቦ መናሕታውያን ሃሮኤ ዝበሃሉ ህዝቢ ወለደ፤</verse>
				<verse number="53">ዓሌታት ቂርያትይዓሪም፦ ይትራውያን፥ ፉታውያን፥ ሹማታውያን፥ ሚሽራዓውያን። ካብዚኣቶም ፆርዓውያንን ኤሽታኦላውያንን ተወለዱ።</verse>
				<verse number="54">ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም።</verse>
				<verse number="55">እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ኻብ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወልደ በዅሩ ኣምኖን፥ ካልኣይ እቲ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወልደ ዳንኤል፥</verse>
				<verse number="2">ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥</verse>
				<verse number="3">ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥</verse>
				<verse number="4">ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።</verse>
				<verse number="5">ኣብኡ ኸዓ ኻብ ቤርሳቤህ ጓል ዓሚኤል፥ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኣርባዕተ ደቂ ተወለዱሉ።</verse>
				<verse number="6">ብዘይ እዚኣቶም ድማ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥</verse>
				<verse number="7">ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥</verse>
				<verse number="8">ኤሊሳማ፥ ኤሊዳሄ፥ ኤሊፋላት፥ ዝበሃሉ ትሽዓተ ደቂ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="9">ትእማር እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ብዘይ እቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ ዝወለዶም ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="10">ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፤ ሮብዓም ንኣቢያ፥ ኣብያ ንኣሳ፥ ኣሳ ንኢዮሳፍጥ፥ ኢዮሳፍጥ</verse>
				<verse number="11">ንኢዮራም፥ ኢዮራም ንኣካዝያስ፥ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ፥ ኢዮኣስ</verse>
				<verse number="12">ንኣሜስያስ፥ ኣሜስያስ ንኣዛርያስ፥ ኣዛርያስ ንኢዮኣታም፥</verse>
				<verse number="13">ኢዮኣታም ንኣካዝ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ፥ ሕዝቅያስ ንምናሴ፥</verse>
				<verse number="14">ምናሴ ንኣሞፅ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ።</verse>
				<verse number="15">ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ኢዮኣቄም፦ ወዱ ኢኮንያን፥ ወዱ ሴዴቅያስ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ደቂ እቲ ንባቢሎን ተማሪኹ ዝኸደ ኢኮንያን እዚኣቶም እዮም፦ ሰላትያል፥ መልኪራም፥</verse>
				<verse number="18">ፈዳያ፥ ሼናፃር፥ ይቃምያ፥ ሆሻማ፥ ነዳብያ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ፈዳያ፦ ዘሩባቤል፥ ስሜኢ እዮም። ደቂ ዘሩባቤል፦ ሜሱላም፥ ሓናንያ፤ ሰሎሚት እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።</verse>
				<verse number="20">ሓሹባ፥ ኦሄል በራክያ ሓሳድያ ዩሻብሔሴድ ሓሙሽተ እዮም።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ሓናንያ፦ ፊላጥያን፥ የሻያን ነበሩ፤ ደቂ የሻያ ደቂ ረፋያ፥ ረፋያ ደቂ ኣርናን፥ ደቂ ኣብድዩ፥ ደቂ ሴኬንያ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ወዲ ሴኬንያ ሸማያ ነበረ፤ ደቂ ሸማያ ድማ፥ ሓጡስ ይግኣል ባርያሕ ነዓርያ ሻፋጥ ነበሩ። ኵሎም ሽዱሽተ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ነዓርያ ኸዓ ኤልዮዔናይ ሕዝቅያስ ዓዝርቃም፥ ሰለስተ እዮም።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ኤልዮናይ ድማ ሆዳይዋ ኤልያሴብ ፌልያ ዓቁብ ዮሓናን ደላያ ዓናኒ ነበሩ፤ ኵሎምውን ሸውዓተ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም።</verse>
				<verse number="2">ራያ ወዲ ሶባል ድማ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ከዓ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ፤ እዚኣቶም ዓሌት ፆርዓታውያን እዮም።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።</verse>
				<verse number="4">ፋኑኤል ኣቦ ጌዶር፥ ዔፄር ኣቦ ሑሻም፥ እዚኣቶም ደቂ ሆር በዅሪ ኤፍራታ ንቤተ ልሔም ዝመስረተ እዮም።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንቴቁሔ ዝመስረተ ኣሽሑር፥ ሔላን፥ ናዕራን፥ ዝበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ።</verse>
				<verse number="6">ነዕራ ኸዓ ንኣሑዛምን ንኦፌርን ንቴምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ፤ እዚኣቶም ደቂ ነዕራ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ሔልኣ፦ ዔፌት፥ ይፅሓር፥ ኤትናን እዮም።</verse>
				<verse number="8">ቆፅ ከዓ ንዓኑብን ንሃፆቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ፤</verse>
				<verse number="9">ያቤፅ ድማ ኻብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። እኖኡ ኸዓ ብብርቱዕ ፃዕሪ ስለ ዝወለደቶ ያቤፅ ኢላ ሰመየቶ።</verse>
				<verse number="10">ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።</verse>
				<verse number="11">ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤</verse>
				<verse number="12">ኤሽቶን ከዓ ንቤት ራፋን ንፋሴሓን ንተሒና ኣቦ ዒርናሓሽን ወለደ፤ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ደቂ ቄኔዝ፦ ጎቶንያል፥ ሰራያ እዮም። ደቂ ጎቶንያል፦ ሓታት፥ መዖኖታይ እዮም፤</verse>
				<verse number="14">መዖኖታይ ድማ ንኤፍራታ ወለደ፤ ሰራያ ኸዓ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ፀራቦ ዝነበሩ ንኢዮኣብ ወለደ፤ ንሳቶም ከዓ ፀረብቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ ንዒሩን ንኤላን ንዓምን ወለደ፤ ኤላን ከዓ ንቄኔዝ ወለደ፤</verse>
				<verse number="16">ደቂ ይሃለልኤል፦ ዚፍ፥ ዚፋ፥ ቲርያ፥ ኣሳርኤል ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ደቂ እዝራ፦ ዮቴር፥ ሜሬድ፥ ዔፈር፥ ያሎን ነበሩ። ሜሬድ ንቢትያ ጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ማርያም ንትበሃል ጓልን ንይሽባን ነቲ ንኣሽትምዓ ኣቦ ዝኾነ ንይሽባን ወለደ። ሜሬድ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረቶ። ንሳ ድማ ነቲ ንጌዶር ኣቦ ንዝኾነ ንዩሬድን፥ ነቲ ንሶኮን ኣቦ ንዝኾነ ሔቤርን፥ ንዛኖዋ ኣቦ ንዝኾነ ንይቁቲኤልን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ሆድያ ንሓፍቲ ናሓም ኣእተወ። ካብኣ ኸዓ ነቶም ኣብ ቅዒላ ዝነብሩ ዓሌት ገርሚን፥ ነቶም ኣብ ኤሽተሞዓ ዝነብሩ ዓሌት መዓካታን ኣቦ ኾነ።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ሺሞን፦ ኣምኖን፥ ሪና፥ ቤንሓናን፥ ቲሎን እዮም። ደቂ ይሽዒ፦ ዞሔት፥ ቢንዞሔት እዮም።</verse>
				<verse number="21">ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ</verse>
				<verse number="22">ንዮቂምን ንሰብ ኮዜባን፥ ነቶም ኣብ ቤተ ልሔም ዝተቐመጡ ኣብ ሞኣብ ዝገዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን ወለደ፤ እዙይ ግና ናይ ኣለምቲ ሃሪ ጥንታዊ ታሪኽ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ። ስራሕ ንጉስ እናገበሩ ኸዓ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ስምኦን፦ ነሙኤል፥ ያሚን፥ ያሪን፥ ዛራ፥ ሳኡል እዮም።</verse>
				<verse number="25">ሳኡል ንመብሳም ወለደ፤ ማብሳም ንማስማዕ ወለደ።</verse>
				<verse number="26">ማስማዕ ንሓሙኤል ወለደ፤ ሓሙኤል ንዘኩር ወለደ፤ ዘኩር ንሰሜኢ ወለደ።</verse>
				<verse number="27">ሰሜኢ ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣወዳትን ሽዱሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ውሉድ ኣይነበርዎምን። ዓሌት ስምኦን ከዓ ኽንዲ ዓሌት ይሁዳ ኣይሰሰነን።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ፥ ሞላዳ፥ ሓፃርሹዓል፥</verse>
				<verse number="29">ኣብ ቢልሃ፥ ኣብ ዔፀም፥ ኣብ ቶላድ፥</verse>
				<verse number="30">ኣብ ቤቱኤል፥ ኣብ ሖርማ፥ ኣብ ፂቅላግ፥</verse>
				<verse number="31">ኣብ ቤት ማርካቦት፥ ኣብ ሃፀር ሲሲም፥ ኣብ ቤት ብርኢ፥ ኣብ ሸዓራይም፥ ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።</verse>
				<verse number="32">ከምኡውን ዔጣም፥ ዓዪን፥ ሪሞን፥ ቶኬን፥ ዓሻን ዝበሃላ ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም።</verse>
				<verse number="33">እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ሰራዊ ኽሳዕ በዓላት ዘለዋ ዅለን ዓድታቶም እየን። ዝነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፤ ትውልዶም ዝነግር መፅሓፍ ድማ ነበሮም።</verse>
				<verse number="34">መሾባብ፥ ያምሌክ፥ ዮሻ ወዲ ኣማስያ፥</verse>
				<verse number="35">ዮኤል፥ ኢዩ ወዲ ዮሺብያ፥ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ዓሲኤል፥</verse>
				<verse number="36">ኤልዮዔናይ፥ ያዕቆባ፥ ይሾሓያ፥ ዓሳያ፥ ዓዲኤል፥ የሲሚኤል፥ ብናያ፥</verse>
				<verse number="37">ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፥ ወዲ ኣሎን፥ ወዲ የዳያ፥ ወዲ ሺምሪ፥ ወዲ ሸማያ።</verse>
				<verse number="38">እዞም ስሞም ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ዓዓሌቶም ሹመኛታት ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም የመና ስለ ዝበዝሑ፥</verse>
				<verse number="39">ንጥሪቶም መውፈሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፥ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።</verse>
				<verse number="40">መውፈሪ ኸዓ ልምዕትን ፅብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እታ ሃገር ከዓ ገፋሕ፥ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ነበረት። እቶም ካብ ቀደም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ ካም ነበሩ።</verse>
				<verse number="41">እዞም በብስሞም ዝተፅሓፉ ኸዓ ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መፂኦም ነቶም ህዝቢ ሓደጋ ኣውደቑሎም። ኣብኡ ንዝተረኽቡ መዓናውያን ድማ ንሓዋሩ ኣጥፍእዎም። ኣብኣ ንጥሪቶም ዝኸውን መውፈሪ ነበረ እሞ፥ ክንዳኣቶም ተቐመጥዋ።</verse>
				<verse number="42">ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ደጕዓ ሴይር ከዱ፤ ኣሕሉቖም ከዓ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዝኤልን ነበሩ።</verse>
				<verse number="43">ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ቐቲሎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።</verse>
				<verse number="2">ይሁዳ ድማ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ በርትዐ፤ ገዛኢውን ካብኡ ወፀ፥ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ እዩ ዝነበረ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፦ ሄኖሕ፥ ፈሊሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ኢዮኤል ንሸማያ፥ ሸማያ ንጎግ፥ ጎግ ንሰሜዒ ወለደ፤</verse>
				<verse number="5">ሰሜዒ ንሚካ፥ ሚካ ንረኣያ፥ ረኣያ ንቢዔል ወለደ፤</verse>
				<verse number="6">ቢዔል ንብኤራ ወለደ፤ ብኤራ እቲ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ኣሕዋቱ በብማይ ቤቶም መዝገብ ትውልዶም ምስተቘፀረ ቀዳማይ፦ ኢዮኤል፥ ዘካርያስ፥</verse>
				<verse number="8">ባላቅ ወዲ ዓዛዝ፥ ወዲ ሸማዕ፥ ካብ ማይ ቤት ኢዮኤል። ነገድ ሮቤል ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ናባን በዓል ሜዎን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="9">መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ብዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ኣጋራውያን ተዋግኡ እሞ ሰዓርዎም፤ ኣብ ኵሉ ምብራቕ ገለዓድ ከዓ ኣብቲ ዝሰዓርዎ ዓድታት ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንፅር ነገድ ሮቤል ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልካ ተቐመጡ፤</verse>
				<verse number="12">ቀዳማይ ኢዮኤል ሓለቓ፥ ሳፋም ከዓ ኻልኣይ፥ ያናይን ሳፋጥን ድማ ኣብ ባሳን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="13">በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ፥ ሚካኤል፥ ሜሱላም፥ ሳባ፥ ዮራይ፥ ያካን፥ ዙኤ፥ ኦቤድ ዝበሃሉ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበርዎም።</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም ካብ ኣቢካኢል ወዲ ዑሪ፥ ወዲ ያሮዓሕ፥ ወዲ ገለዓድ፥ ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ የሺሻይ፥ ወዲ ዮዳይ፥ ወዲ ቡዝ፥ ዝውለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፥ ወዲ ጉኒ፥ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">እዚኣቶም ኵላቶም ብዘመን ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ተፅሒፎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፥ ዋልታን ሰይፍን ዘልዕሉ፥ ቀስቲ ኸዓ ዝግትሩ ንውግእ ዝተዳለዉ፥ ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያንን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="20">ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።</verse>
				<verse number="21">ካብ መጓሰታቶምውን ሓምሳ ሽሕ ግመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣእዱግን ዘመቱ። ካብ ሰብ ድማ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ማሪኾም ወሰዱ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እሞ፥ ብዙሓት ሰባት ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ከዓ ኽሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="23">ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ የመና በዝሑ፤ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል ሔርሞንን ሰኒርን ክሳዕ እምባ ሔርሞንን ብብዝሒ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዔፈር፥ ይሽዒ፥ ኤሊኤል፥ ዓዝሪኤል፥ የርሚያ፥ ሆዳውያ፥ ያሕዲኤል። እዚኣቶም ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፥ ስሙያት ሰባት፥ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ንኣምላኽ ኣቦታቶም ከዲዖም ንኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር ሰገዱ።</verse>
				<verse number="26">ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀኣት፥ ሜራሪ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።</verse>
				<verse number="3">ደቂ እንበረም፦ ኣሮን፥ ሙሴ፥ ማርያም እዮም። ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤</verse>
				<verse number="5">ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንዖዚ ወለደ፤</verse>
				<verse number="6">ዖዚ ንዘራእያ ወለደ፤ ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤</verse>
				<verse number="7">መራዮት ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም፥ ንኣኪጦብ ወለደ፤</verse>
				<verse number="8">ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣሚካኣስ ወለደ፤</verse>
				<verse number="9">ኣሚካኣስ ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ንዮሓናን ወለደ፤</verse>
				<verse number="10">ዮሓናን ንኣዛርያስ ወለደ። (ኣዛርያስ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ፥ ብኽህነት ዘገልግል ዝነበረ እዩ።)</verse>
				<verse number="11">ኣዛርያስ ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም ንኣኪጦብ ወለደ፤</verse>
				<verse number="12">ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንሰሎም ወለደ፤</verse>
				<verse number="13">ሰሎም ንኬልቅያስ ወለደ፤ ኬልቅያስ ንኣዛርያስ ወለደ፤</verse>
				<verse number="14">ኣዛርያስ ንሰራያ ወለደ፤ ሰራያ ንኢዮሴዴቅ ወለደ።</verse>
				<verse number="15">ኢዮሴዴቅ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ብናቡከደነፆር ተማሪኾም ከም ዝኸዱ ምስ ገበሮም፥ ምስኣቶም ተማሪኹ ኸደ።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ስም ደቂ ጌድሶን ድማ እዙይ እዩ፦ ሊብኒ፥ ሰሜኢ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዙኤል እዮም።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="20">ጌድሶን ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ንዛማት ወለደ፤</verse>
				<verse number="21">ዛማት ንዮኣክ ወለደ፤ ዮኣክ ንኣዶ ወለደ፤ ኣዶ ንዛራ ወለደ፤ ዛራ ንያትራይ ወለደ።</verse>
				<verse number="22">ቀኣት ከዓ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ንቆሬ ወለደ፤ ቆሬ ንኣሴር ወለደ፤</verse>
				<verse number="23">ኣሴር ንሕልቃና ወለደ፤ ሕልቃና ንኣቢሳፍ ወለደ፤ ኣቢሳፍ ንኣሴር ወለደ፤</verse>
				<verse number="24">ኣሴር ንኢኢት ወለደ፤ ኢኢት ንኡርኤል ወለደ፤ ኡርኤል ንዖዝያ ወለደ፤ ዖዝያ ንሳውል ወለደ፤</verse>
				<verse number="25">ሕልቃና ንዓማሲን ንኣኪሞትን ወለደ፤</verse>
				<verse number="26">ኣኪሞት ንሕልቃናን፥ ንሱፊን ወለደ፤ ሱፊ ንናሓት ወለደ፤</verse>
				<verse number="27">ናሓት ንኤልያብ ወለደ፤ ኤልያብ ንሮሓም ወለደ፤ ሮሓም ንሕልቃና ወለደ።</verse>
				<verse number="28">ሳሙኤል ንኢዮኤል በዅሪ ወዱን ንኣብያን ወለደ።</verse>
				<verse number="29">ሜራሪ ኸዓ ንሞሖሊ ወለደ፤ ሞሖሊ ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንሰሚዒ ወለደ፤ ሰሚዒ ንዖዛ ወለደ፤</verse>
				<verse number="30">ዖዛ ንሳምዓ ወለደ፤ ሳምዓ ንሓግያ ወለደ፤ ሓግያ ንዓሳያ ወለደ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ታቦት ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፥ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ክኾኑ ዘቖሞም እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="32">ንሳቶም፥ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰርሕ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን መዝሙር እናዘመሩ የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዝተሰርዐሎም ድማ በብተራ የገልግሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ምስ ደቆም ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ቀኣት፦ እቲ መራሒ መዘምራን ዝነበረ ኤማን ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥</verse>
				<verse number="34">ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶዋ፥</verse>
				<verse number="35">ወዲ ሱፍ፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ መሓት፥ ወዲ ኣማሲ፥</verse>
				<verse number="36">ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ሶፎንያስ፥</verse>
				<verse number="37">ወዲ ታሓት፥ ወዲ ኣሴር፥ ወዲ ኤብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥</verse>
				<verse number="38">ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቀኣት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ያእቆብ እዮም።</verse>
				<verse number="39">ብወገን የማን ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኸዓ ሓዉ ኣሳፍ ነበረ። ንሱ ወዲ በረክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥</verse>
				<verse number="40">ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ ባዓሴያ፥ ወዲ ማልክያ፥</verse>
				<verse number="41">ወዲ ኤትኒ፥ ወዲ ዛራ፥ ወዲ ዓዳያ፥</verse>
				<verse number="42">ወዲ ኤታን፥ ወዲ ዚማ፥ ወዲ ሰሜዒ፥</verse>
				<verse number="43">ወዲ ያሓት፥ ወዲ ጌድሶን፥ ወዲ ሌዊ እዩ።</verse>
				<verse number="44">ብወገን ፀጋም ኮይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ ኸዓ ደቂ ሜራሪ ነበሩ። ንኤታን ወዲ ቂሳ፥ ወዲ ዓብዲ፥ ወዲ ማሎክ፥</verse>
				<verse number="45">ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ ኣሜስያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥</verse>
				<verse number="46">ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሴሜር፥</verse>
				<verse number="47">ወዲ ሞሖሊ፥ ወዲ ሙሲ፥ ወዲ ሜራሪ፥ ወዲ ሌዊ እዮም።</verse>
				<verse number="48">እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ሌዋውያን፥ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ኻልእ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ተሰሪዖም ነበሩ።</verse>
				<verse number="49">ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዅሉ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="50">ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦ ኣሮን ንኣልኣዛር ወለደ፤ ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤</verse>
				<verse number="51">ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንኦዚ ወለደ፤ ኦዚ ንዘራእያ ወለደ።</verse>
				<verse number="52">ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤ መራዮት ንኣማርያ ወለደ፤ ኣማርያ ንኣኪጦብ ወለደ፤</verse>
				<verse number="53">ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣኪመኣስ ወለደ፤</verse>
				<verse number="54">እቲ ዝሰፈርዎ ዓድታት በብወሰኖም እዙይ እዩ፦ ነቶም ካብ ዓሌት ቀኣት ዝኾኑ ደቂ ኣሮን ቀዳማይ ዕፃ በፅሖም።</verse>
				<verse number="55">ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ንትርከብ ኬብሮንን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ መዋፈሪታትን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="56">ግና ናይታ ኸተማ ገራሁን ዓድታትን ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="57">ንደቂ ኣሮን ድማ ነታ መዕቘቢ ዝኾነት ከተማ ኬብሮንን ልብናን ምስ መዋፈሪኣተን፥ የቲርን ኤሽትሞዓን ምስ መዋፈሪኣተን፥</verse>
				<verse number="58">ሖሎንን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ዳቤርን ምስ መዋፈሪኣታን፥</verse>
				<verse number="59">ዓሳን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ቤትሳሚስን ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="60">ካብ ነገድ ብንያምውን ንጌባን ምስ መዋፈሪኣታን ንጋሌማትን ምስ መዋፈሪኣታን ንዓናቶት ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም። ኵለን ከተማታቶም ከዓ ኸም ዓሌታቶም ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።</verse>
				<verse number="61">ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀኣት ድማ ኻብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="62">ንደቂ ጌድሶን ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብታ ኣብ ባሳን ዘላ ነገድ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="63">ንደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕፃ ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="64">ከምዙይ ገይሮም ደቂ እስራኤል እተን ከተማታት ምስ መዋፈሪኣተን ንሌዋውያን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="65">ስለዙይ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ኣብ ላዕሊ ተሰምየን ዘለዋ ኸተማታት ብዕፃ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="66">ንገሊኣቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀኣት ከዓ ኻብ ምድሪ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብፅሒት ነበሮም።</verse>
				<verse number="67">ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ እታ ኸተማ ዑቕባ ዝኾነት ሰኬም፥ ጌዝር፥</verse>
				<verse number="68">ዮቅመዓም፥ ቤትሖሮን፥</verse>
				<verse number="69">ኤሎንን፥ ጋትሪሞንን፥ መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="70">ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀኣት፥ ዓኔርን ቢልዓምን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="71">ደቂ ጌድሶን እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፥ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላንን ኣስታሮትን መምስ መዋፈሪኣተን።</verse>
				<verse number="72">ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ቃዴስን ዳብራትን፥</verse>
				<verse number="73">ሬሞትን ዓኔምን መምስ መዋፈሪኣተን።</verse>
				<verse number="74">ካብ ነገድ ኣሴር፥ ማሻልን ዓብዶንን፥</verse>
				<verse number="75">ሑቆቅን ረኣብን መምስ መዋፈሪኣተን።</verse>
				<verse number="76">ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስን ሓሞንን ቂርያታይምን መምስ መዋፈሪኣተን።</verse>
				<verse number="77">ካብቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ሬሞንን ታቦርን መምስ መዋፈሪኣተን፤</verse>
				<verse number="78">ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከዓ፥ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቦሶርን ያሳን፥</verse>
				<verse number="79">ቅዴሞትን ሜፍዓትን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን፤</verse>
				<verse number="80">ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራማትን ገለዓድን መሓናይምን፥</verse>
				<verse number="81">ሓሴቦንን ኢያዜርን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ደቂ ይሳኮር ኣርባዕተ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን እዮም።</verse>
				<verse number="2">ደቂ ቶላ ኸዓ፥ ኦዚ፥ ረፋያ፥ ይሪኤል፥ የሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል ነበሩ። እዚኣቶም ናይ ዓሌት ቶላ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓያላት ተዋጋእቲ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="3">ዑዚ ንይዝራሕያ ወለደ፤ ይዝራሕያ ድማ ንሚካኤል፥ ንኣብድዩ፥ ንኢዩኤል፥ ንይሺያ ወለደ፤ ሓሙሽቲኦም ከዓ ኣሕሉቕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበርዎም። ስለዙይ በብትውልዶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ንውግእ ዝተዳለዉ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ፥ ሰማንያን ሸውዓተን ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ብንያም፦ ቤላ፥ ቤኬር፥ ይዲኤል ሰለስተ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ቤላ፦ ኤሴቦን፥ ኦዚ፥ ዑዝኤል፥ ኢያሪሙት፥ ዒሪ፤ ሓሙሽቲኦም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="8">ደቂ ቤኬር፦ ዝሚራ፥ ኢዮዓስ፥ ኣልዓዛር፥ ኤልዮዔናይ፥ ዖምሪ፥ ኢያሪሙት፥ ኣቢያ፥ ዓናቶት፥ ዓሌሜት፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቤኬር እዮም።</verse>
				<verse number="9">ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኮይኖም በብትውልዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ተቘፀሩ። ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ድማ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="10">ይዲኤል ንቢልሃ ወለደ፤ ቢልሃ ድማ ንየዑስን ንብንያምን ንናዖድን ንክንዓናን ንዜታንን ንተርሴስን ንኣኪሳኣርን ወለደ።</verse>
				<verse number="11">እዚኣቶም ደቂ ይድኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ንውግእ ዝተዳለዉ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="12">ዒር ንሳፊንን ንሑፊምን ወለደ፤ ኣሔር ከዓ ንሑሺም ወለደ፤</verse>
				<verse number="13">ንፍታሌም ካብ ቢልሃ ዝወለዶም፦ ያሕፂኤል፥ ጉኒ፥ ዮድር፥ ሺሌም እዮም።</verse>
				<verse number="14">ምናሴ፥ ካብታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንእስርኤልን ንማኪርን ወለደ፤ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ማኪር ከዓ ንሑፊምን ንሳፊምን ኣንስቲ ኣምፅአሎም። ሓፍቱ ማዓካ ትብሃል ነበረት። ካልኣይ ወዲ ማኪር ሰለጰኣድ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣጓላት ጥራሕ ወለደ።</verse>
				<verse number="16">ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፤ ፋሬስ ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። ንሓዉ ድማ ሱሮስ ኣውፅአትሉ። ደቂ ፋሬስ ከዓ ዑላምን ራቄምን ይበሃሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ዑላም ድማ ንባዳን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ሓፍቱ መለኬት ከዓ ንኢሱዲን ንኣቢዔዝርን ንመሕላን ወለደት።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ሸሚዳም ድማ ኣሒያንን ሴኬምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ኤፍሬም ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኤፍሬም ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንባሬድ ወለደ፤ ባሬድ ንታሓት ወለደ፤ ታሓት ንኤልዓዳ ወለደ፤ ኤልዓዳ ንታሓት ወለደ።</verse>
				<verse number="21">ታሓት ንዛባድ ወለደ፤ ዛባድ ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንኤድርን ንኤልዓድን ወለደ፤ ኤድርን ኤልዓድን ከፍቲ ኽዘምቱ ንጋት ወሪዶም ነበሩ እሞ፥ በቶም ኣብታ ሃገር ዝተወለዱ ሰብ ጌት ተቐተሉ።</verse>
				<verse number="22">ኣቦኣቶም ኤፍሬም ከዓ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ፤ ኣሕዋቱ ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ።</verse>
				<verse number="23">ናብ ሰበይቱውን ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። ኣብ ቤተሰቡ መከራ ስለ ዝመፆ ኸዓ በሪዓ ኢሉ ሰመዮ።</verse>
				<verse number="24">ኤፍሬም፥ ሲኦራ እትበሃል ጓል ነበረቶ። ንሳ ንታሕተዋይን ላዕለዋይን ቤትሖሮንን፥ ንኡዜንሼራን ዝበሃላ ኸተማታት መስረተት።</verse>
				<verse number="25">ኤፍሬም ንፋፌ ወለደ፤ ፋፌ ንሬሴፍ ወለደ፤ ሬሴፍ ንቴላ ወለደ፤ ቴላ ንታሓን ወለደ፤</verse>
				<verse number="26">ታሓን ንለኣዳን ወለደ፤ ለኣዳን ንዓሚሁድ ወለደ፤ ዓሚሁድ ንኤሊሳማ ወለደ፤</verse>
				<verse number="27">ኤሊሳማ ንነዌ ወለደ፤ ነዌ ንኢያሱ ወለደ፤</verse>
				<verse number="28">እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥</verse>
				<verse number="29">ብወሰን ደቂ ምናሴ ኸዓ፥ ቤትሳንን ከተማታታን፥ ታዕናክን ከተማታታን፥ መጊዶን ከተማታታን፥ ዶርን ከተማታታን። ደቂ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብዚኣተን ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ የሱዋ፥ የሱዊ፥ በሪዓ፥ ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶም።</verse>
				<verse number="31">ደቂ በሪዓ ሔቤርን ኣቦ ቢርዛዊት ዝነበረ መልኪኤልን ነበሩ። መልኪኤል ንኸተማ ቢርዛዊት ዝመስረተ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ሔቤር ድማ ንያፍሌጥን ንሳሜርን ንኮታምን ንሓፍቶም ሶላን ወለደ፤</verse>
				<verse number="33">ያፍሌጥ ድማ ንፋሴክን ቢምሃልን ዓሲትን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">ደቂ ሳሜር፦ ኣኪ፥ ሮኣጋ፥ ይሑባ፥ ኣራም ነበሩ።</verse>
				<verse number="35">ደቂ ኤላም ሓዉ፦ ፆፋ፥ ይምና፥ ሰሌስ፥ ዓማል ነበሩ።</verse>
				<verse number="36">ደቂ ፆፋ፥ ሱዋ፥ ሓርኔፍር፥ ሶጋል፥ ቤሪ፥ ይምራ፥</verse>
				<verse number="37">ቤፄር፥ ሆድ፥ ሳማ፥ ሰሊሳ፥ ይትራን፥ ብኤራ ነበሩ።</verse>
				<verse number="38">ደቂ ዮቴር፦ ዮሮኒ፥ ፊስጳ፥ ኣራ ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ደቂ ዑላ፦ ኤራ፥ ሓኒኤል፥ ሪፅያ ነበሩ።</verse>
				<verse number="40">እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣሴር፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ሕሩያት፥ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣሕሉቕ መኳንንቲ ነበሩ። እቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ተዋጋእቲ፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ደቂ ብንያም ሓሙሽተ እዮም፦ በዅሪ ቤላን፥ ካልኣይ ኣስቤል፥ ሳልሳይ ኣሕራሕ፥</verse>
				<verse number="2">ራብዓይ ኖሓ፥ ሓምሻይ ራፋ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ቤላን ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኣዳር፥ ጌራ፥ ኣቢሁድ፥</verse>
				<verse number="4">ኣቢሱ፥ ናዕማን፥ ኦሖዋ፥</verse>
				<verse number="5">ጌራ፥ ሰፉፋን፥ ሑራም እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ናዖድ ዓማንን ኣሕያን ጌራን ነበሩ። እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም፤ ነቶም ኣብ ገባዖን ዝተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ተማሪኾም ከዓ ናብ መናሓት ከዱ። ኣብኡ እንትነብሩ ጌራ ኣቦ ዖዛን ኣሒሑድን መርሖም።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ሸሓራይም ከዓ ነተን ኣንስቱ ሑሺምን በዕራን ምስ ፈትሐን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ፤</verse>
				<verse number="9">ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸዓ ንዮባብን ንዲብያን ንሜሴን ንማልካምን፥</verse>
				<verse number="10">ንይዑፅን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ፤ እዚኣቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ሑሺም ከዓ ንኣቢጡብን ንኤልፍዓልን ወለደ።</verse>
				<verse number="12">ኤልፍዓል ድማ፥ ንዔቤርን ንሚሻምን ንሻሚድን ወለደ፤ ንሱ ነተን ኣኖን ሎድን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ ቍሸታተን ዝመስረተ እዩ።</verse>
				<verse number="13">በሪዓን ሸማዕን ዋናታት እቶም መማይ ቤት ኣቦታት እቶም ኣብ ኣያሎ ዝቕመጡ ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም ነቶም ኣብ ጌት ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰጐጕዎም።</verse>
				<verse number="14">ኣሕዮን ሻሻቅን ይሬምትን፥</verse>
				<verse number="15">ዝባድያን ዓራድን ዔድርን፥</verse>
				<verse number="16">ሚካኤልን ይሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ በሪዓ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ዝባድያን ሜሱላምን ሕዝቂን ሔቤርን፥</verse>
				<verse number="18">ይሽምራይን ይዝሊያን ዮባብን ከዓ ደቂ ኤልፍዓል እዮም።</verse>
				<verse number="19">ያቂምን ዝክሪን ዘብዲን፥</verse>
				<verse number="20">ኤሊዔናይን ፂልታይን ኤሊኤልን፥</verse>
				<verse number="21">ዓዳያን ብራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሰሜኢ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ይሽፋንን ዔቤርን ኤሊኤልን፥</verse>
				<verse number="23">ዓብዶንን ዝክሪን ሓናንን፥</verse>
				<verse number="24">ሓናንያን ዔላምን ዓንቶትያን፥</verse>
				<verse number="25">ይፍዴያን ፋኑኤልን ከዓ ደቂ ሶሴቅ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ሸምሽራይን ሸሓርያን ጎቶልያን፥</verse>
				<verse number="27">ያሬሽያን ኤሊያስን ዝክሪን ድማ ደቂ ይሮሓም እዮም።</verse>
				<verse number="28">እዚኣቶም ኣብ ትውልዶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ኣሕሉቕ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">ይዒኤል ንገባዖን መስረታ፤ ኣብኣ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ፤ ሰበይቱ ድማ መዓካ ትበሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="30">በዅሪ ወዱ ዓብዶን ይበሃል ነበረ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ዱርን ቂስን በዓልን ናዳብን፤</verse>
				<verse number="31">ጌዶርን ኣሕዮን ዛኩርን ዝበሃሉ ኣብ ገባዖን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="32">ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤</verse>
				<verse number="34">ዮናታን ንመሪበዓል ወለደ፤ መሪበዓል ንሚካ ወለደ፤</verse>
				<verse number="35">ሚካ ንፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ወለደ፤</verse>
				<verse number="36">ኣካዝ ንይሆዓዳ ወለደ፤ ይሆዓዳ ንዓሌሜትን ንኣዝሞትን ንዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪውን ንሞፃ ወለደ፤</verse>
				<verse number="37">ሞፃ ንቢንዓን ወለደ፤ ቢንዓን ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ፤</verse>
				<verse number="38">ንኤሴል ሽዱሽተ ውሉድ ነበሮዎ፤ ስማቶም ድማ፥ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሽዓሪያ፥ ኣብድዩ፥ ሓናን ይበሃሉ፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኤሴል እዮም።</verse>
				<verse number="39">ደቂ ኣሴል ሓዉ፦ በዅሪ ኡላም፥ ካልኣይ ኢያስ፥ ሳልሳይ ኤሊፋላት።</verse>
				<verse number="40">ደቂ ኡላም ምግታር ቀስቲ ዝኽእሉ፥ ተባዓት ተዋጋእቲ ነበሩ። ንኣኣቶምውን ብዙሓት ደቅን ደቅ ደቅን ነበርዎም። ኵሎም ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኵሎም ህዝቢ እስራኤል በብማይ ቤቶም ተቘፀሩ፤ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤልውን ተፅሒፎም እዮም። ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከይዶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማኣቶምን ተመሊሶም ዝቕመጡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን ንስራሕ ቤተ መቕደስ ዝተመደቡን ካልኦት እስራኤላውያንን ናታኒምን ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="4">ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ካብ ሴሎናውያን ወዲ ይሁዳ፦ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ደቂ ዛራም ወዲ ይሁዳ፦ የዑኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ተስዓን ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ድማ፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሖዳይዋ፥ ወዲ ሓስኑኣ፤</verse>
				<verse number="8">ብኔያ ወዲ ይሮሓም፥ ኤላ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ሚክሪ፥ ሜሱላም ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ራጉኤል፥ ወዲ ይብኒያ፤</verse>
				<verse number="9">ደቂ ብንያም ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን ነበሩ። ኵሎም እዞም ቅድም ተሰምዮም ዘለዉ ሰባት ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በብቤት ኣቦታቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ካህናት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ዮዳኤ፥ ዮኣሪብ፥ ያኪን፥</verse>
				<verse number="11">ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ዓዳያ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ጳስኮር፥ ወዲ መልክያ፥ መዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ የሕዜራ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ምሺላሚት፥ ወዲ ኢሜር።</verse>
				<verse number="13">እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ዝነበሩ ኻህናት ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ የመና ብልሓተኛታት ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ሌዋውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ሸማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብያ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፥</verse>
				<verse number="15">በቅበቃርን ኤሬስን ጋላልን፥ መታንያ ኸዓ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዝክሪ፥ ወዲ ኣሳፍ፥</verse>
				<verse number="16">ኣብድያ ወዲ ሰሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም፥ በራክያ ወዲ ዓሳ፥ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋውያን ዝተቐመጠ ሕልቃና ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ከዓ እዚኣቶም እዮም፤ ሓለውቲ በሪ ድማ፦ ሰሎምን ዓቁብን ጤልሞንን፥ ኣሒማንን ኣሕዋቶምን ነበሩ፤ ሰሎም ድማ ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ክሳዕ ሎሚ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይሕልዉ ነበሩ፤ እዚኣቶም ቀደም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ደቂ ሌዊ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ሰሎም ከዓ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ቆሬያውያን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፤ ኣቦታቶምውን ኣብ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነይሮም እዮም።</verse>
				<verse number="20">ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ዘካርያስ ወዲ ሜሱላም ሓላዊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነበረ።</verse>
				<verse number="22">እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኣፍ ደገታት ሓለውቲ ክኾኑ ዝተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ኣዓዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ነበሩ። ንኣኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝመደብዎም ዳዊትን እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን ብምብራቕ፥ ብምዕራብ፥ ብሰሜን፥ ብደቡብ ይቖሙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከዓ በብተራ መፂኦም ሸሸውዓተ መዓልቲ ብምሕላው ይሕግዝዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">እዞም ኣርባዕተ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ደገ ሌዋውያን ነበሩሞ። ሓለፍቲውን ንሳቶም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ክፍልታትን መዛግብትን ከዓ ምሩፃት ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፥ ኣብ ዙርያ ቤት እግዚኣብሄር ይሓድሩ ነበሩ፤ ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ ሓላፍነቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ነበሩ እሞ፥ ቈፂሮም የእትውዎ፤ ቈፂሮም ከዓ የውፅእዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">ገሊኣቶም እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ፥ ኣብ ኵሉ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ዋናታት ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልሑም ሕሩጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከዓ ሹመኛታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ካብቶም ደቂ ካህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኣት የዳልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="31">ማቲትያ ኸዓ ኻብቶም ሌዋውያን፥ በዅሪ ወዱ ንሻሉም እቲ ቈራሓዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ መባእ ዝውፈ ቕጫ ዝስንክቱ ሓላፊ ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም።</verse>
				<verse number="33">ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">እዚኣቶም በብትውልዶም ኣሕሉቕ ነበሩ፤ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያንውን ዋናታት ነበሩ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="35">የዒኤል ድማ ንኸተማ ገባዖን መስሪቱ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ማዓካ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።</verse>
				<verse number="36">በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን ይበሃል ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ ንዱርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፥</verse>
				<verse number="37">ጌዶርን ኣሕዮን ዘኵርን ሚቅሎትን ኣብ ገባዖን ይቕመጡ ነበሩ፤</verse>
				<verse number="38">ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።</verse>
				<verse number="40">ዮናታን ንመሪብ ባዓል ወለደ፤ መሪብ ባዓል ንሚካ ወለደ።</verse>
				<verse number="41">ደቂ ሚካ፥ ፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ኣካዝ ንየዕራ ወለደ፤ የዕራ ንዓሌሜትን ዕዝሞትን ዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪ ንሞፃ ወለደ።</verse>
				<verse number="43">ሞፃ ንቢንዓ ወለደ፤ ቢንዓ ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ።</verse>
				<verse number="44">ኤሴል ድማ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓሪያ፥ ዓብድዩ፥ ሓናን፥ ዝበሃሉ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ። እዚኣቶም ደቂ ኤሴል እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግኡ፤ ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ብዙሓት ድማ ተወጊኦም ኣብ እምባ ጊልቦዓ ተቐተሉ።</verse>
				<verse number="2">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ስዒቦም ኣባረርዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፥ ንዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳን ንሰዓን ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="3">ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ኸዓ፥ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።</verse>
				<verse number="6">በዝ ኸምዙይ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፤ ኵሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል፥ ሰራዊቶም ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ድማ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።</verse>
				<verse number="8">ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንደቁን ከዓ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንሳኦል ርእሱ ቘሪፆም፥ ኣፅዋሩ ገፊፎም ወሰዱ። ንጣዖታቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኸበስሩ ኸዓ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ልኡኻት ሰደዱ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኣፅዋሩ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ኣንበርዎ፤ ንርእሱ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ዳጎን ሰቐልዎ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ እቲ ዅሉ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="12">ጀጋኑ ዝኾኑ ዅሎም ሰባት ተሲኦም ከዱ እሞ፥ ንሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ኢያቢስ ኣምፅእዎም። ነቲ ኣዕፅምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ዓባይ ኦም ቀበርዎ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።</verse>
				<verse number="13">ሳኦል ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዉን ነታ ምስ መናፍስቲ ምዉታት እትዛረብ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደለን ሞተ።</verse>
				<verse number="14">ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ቀሰፎ። ነታ መንግስቱ ኸዓ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣሕለፋ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ተኣኪቦም መፁ እሞ ኸምዙይ በልዎ፦ “እኒሀና ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና።</verse>
				<verse number="2">ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳ ቐደም ኢያቡስ ትብሃል ነበረት። ኢያቡሳውያን ከዓ ኣብኣ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣብ ኢያቡስ ዝቕመጡ ከዓ ንዳዊት “ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ፅዮን ሓዛ። ንሳውን ከተማ ዳዊት እያ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ከዓ “እቲ ቐዲሙ ንኢያቡሳውያን ዝተዋግኦም፥ ሓለቓን ኣዛዚ ሰራዊተይን ክገብሮ እየ” በለ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ኣቐዲሙ ወፀ፤ ሓለቓውን ኮነ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ስለዙይ ድማ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ሚሎ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኡ ኸተማ ሰርሐ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኢዮኣብ ኣዐረዮ።</verse>
				<verse number="9">ዳዊት ድማ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="11">ቍፅሪ እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ ነበረ፦ ያሾበዓም፥ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፥ ሓለቓ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ፥ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓደ ሻዕ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ዝቐተለ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዱዲ፥ ኣሖሓዊ እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኣብ ፈስደሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፤ ኣብኡ ድማ ግራት ስገም ነበረት፤ እቶም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ግና ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ ነታ ግራት ኣድሓና፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ዓወት ሃቦ።</verse>
				<verse number="15">ካብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ድማ ሰለስተ ናብታ ኰዅሒ፥ ናብታ ዳዊት ዝነበረላ በዓቲ ኣዶላም ወረዱ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ከዓ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ማይ መስተየኒ” ኢሉ ተመነየ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፥ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ገይሩ ኣፍሰሶ እምበር ክሰትዮ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="19">“ህይወቶም ወፍዮም ኣምፂኦምዎ እዮም እሞ፥ ደም እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዙይ ኣይገብሮን እየ፤ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ። ስለዙይ ክሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ እቶም ሰላሳ ነበረ። ንሱ ድማ ዂናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ድማ ስሙይ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፤ ሓለቓኦም ከዓ ኾነ። ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን።</verse>
				<verse number="22">በናያስ ወዲ ዮዳሄ በዓል ቀብስኤል ዓብዪ ነገር ዝገበረ ሓደ ጅግና ሰብ ነበረ። ንሱ ኽልተ ውሩያት ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ሓደ ጊዜ ድማ በረድ ኣብ ዝወቕዐሉ እዋን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።</verse>
				<verse number="23">ከምኡውን ንሓደ ቑመቱ ልዕሊ ኽልተ ሜትር ንዝኾነ ነዊሕ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብፃዊ ሰብኣይ ክንዲ ናይ ኣላማይ መጠቕለሊ ዝኸውን ኲናት ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ። ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ ድማ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="24">በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">እንሆ፥ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ዝኸበረ ነበረ፤ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘብዐኛታት ሸሞ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓሳሄል ሓው ኢዮኣብ፥ ኤልያና ወዲ ዱዲ በዓል ቤተልሔም።</verse>
				<verse number="27">ሳሞት ሃሮራዊ፥ ሴሌስ ፈሎናዊ፥</verse>
				<verse number="28">ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቍሔያዊ፥ ኣቢዔዝር ኣናቶታዊ፥</verse>
				<verse number="29">ሴቤካይ ኩሳታዊ፥ ዔላይ ኣሖሓዊ፥</verse>
				<verse number="30">ኖኤሬ ነጦፋዊ፥ ሔሌድ ወዲ በዓና ነጦፋዊ፥</verse>
				<verse number="31">ካብቶም ደቂ ብንያም፥ ኤታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ፥ በናያስ ጲርዓቶናዊ፥</verse>
				<verse number="32">ኡሪ ኻብ ሩባታት ገዓስ፥ ኣቢኤል ዓረባዊ፥</verse>
				<verse number="33">ዓዝሞት ባሕሩማዊ፥ ኤሊያሕባ ሰዓልቦናዊ፥</verse>
				<verse number="34">ደቂ ኣሳን ጊዞናዊ፥ ዮናታን ወዲ ሻጌ ሃራራዊ፥</verse>
				<verse number="35">ኣምናን ወዲ ኣራር ኣሮዳዊ፥ ኤሊፋል ወዲ ኡር፥</verse>
				<verse number="36">ኦፌር ምኬራታዊ፥ ኣኪያ ፍሎናዊ፥</verse>
				<verse number="37">ሓፅሮ ቀርሜሎሳዊ፥ ነዕራይ ወዲ ኤዝባይ፥</verse>
				<verse number="38">ኢዮኤል ሓው ናታን፥ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፥</verse>
				<verse number="39">ፄሌቅ ኣሞናዊ፥ ነሃራይ እቲ ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኣፅዋሩ ዝሽከም ዝነበረ ቤሮታዊ፥</verse>
				<verse number="40">ዒራስ ይትራዊ፥ ጋሬብ ይትራዊ፥</verse>
				<verse number="41">ኦርዮ ኬጢያዊ፥ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፥</verse>
				<verse number="42">ዓዲና ወዲ ሺዛ ሮቤላዊ፥ ንሱ ሓለቓ ሮቤላውያን ነበረ፤ እቶም ሰላሳ ኸዓ ምስኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="43">ሓናን ወዲ ማዕካ፥ ኢዮሳፍጥ ሚትናዊ፥</verse>
				<verse number="44">ዖዝያ ኣስታሮታዊ፥ ሻማን ይኢኤልን ደቂ ኮታም ዓሮዔራዊ፥</verse>
				<verse number="45">ደቂ ሺምረ ይዲኤል፥ ቲፃዊ ሓው ዮሓን፥</verse>
				<verse number="46">ኤሊኤል ማሓዋዊ፥ ደቂ ኤልናዓም፥ ይሪባይን ዮሻውያን፥ ይትማ ሞኣባዊ፥</verse>
				<verse number="47">ኤሊኤልን ዖቤድን ያዕሲኤል ምፆባዊን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="2">ንሳቶም ብየማኖም ኮነ ብፀጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ ብቐስቲውን ፍላፃ ዝውርውሩ ተዋጋእቲ ነበሩ። ንሳቶም ኣዝማድ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="3">ኣሒዔዝር እቲ ሓለቓኦምን ኢዮኣስን ደቂ ሸማዓ ጊብዓዊ፥ ይዝኤልን ፋሌጥን ደቂ ኣዝሞዌት፥ በራክያ ኢዩ ዓናቶታውን፥</verse>
				<verse number="4">ሰማያስ ገባዖናዊ፥ ንሱ ናይቶም ሰላሳ ሓለቓ ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ኤርሚያስ፥ ያሕዝኤል፥ ዮሓናን፥ ዮዛባት ገድሮታን፥</verse>
				<verse number="5">ኤሉዛይ፥ ኢያሪሙት፥ በዓልያ፥ ሰማርያ፥ ሰፋጥያስ ሓሩፋን፥</verse>
				<verse number="6">እቶም ቆሬሓውያን፦ ሕልቃና፥ ይሽያ፥ ዓዛርኤል፥ ዮዛር፥ ያሾብዓም።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ይሮሓም በዓል ግዶር ከዓ ዮዔላን ዘባድያን፥</verse>
				<verse number="8">ሓድሓደ ኻብ ነገድ ጋድ ከዓ ኸዲዖም ናብ ዳዊት ናብቲ እምባ ኣብ በረኻ ዘሎ ምሽግ መፁ፤ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ንውግእ ዕሉማት፥ ዋልታን ኲናትን ዝተዓጥቁ ሰባት ነበሩ። ገፆም ድማ ኸም ገፅ ኣናብስ ዘፍርሕ ነበረ፤ ከም ሰስሓውን ኣብ እምባታት ቅልጡፋት ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ሓለቓኦም ዔፄር፥ ካልኣይ ኣብድዩ፥ ሳልሳይ ኤልያብ፥</verse>
				<verse number="10">ራብዓይ መስመና፥ ሓምሻይ ኤርሚያስ፥</verse>
				<verse number="11">ሻድሻይ ዓታይ፥ ሻውዓይ ኤሊኤል፥</verse>
				<verse number="12">ሻምናይ ዮሓናን፥ ታሽዓይ ኤልዛባድ፥</verse>
				<verse number="13">ዓስራይ ኤርሚያስ፥ መበል ዓሰርተ ሓደ መክበናይ፥</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ኣሕሉቕ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፤ ካብኣቶም እቲ ዝነኣሰ ሚእቲ፥ ዝዓበየ ኽንዲ ሽሕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="16">ካብ ደቂ ብንያምን ይሁዳን ከዓ ናብ ዳዊት፥ ናብቲ እምባ መፁ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ድማ ክራኸቦም ወፀ፤ ንሱ ኸዓ፦ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም ናባይ እንተ ደኣ መፂእኹም ኴንኩም፥ ልበይ ምሳኻትኩም ክሰማማዕ ድልዊ እዩ። ኣነ ኣብ ኢደይ ዝኾነ ዓመፅ ዘይብለይ እንትኸውን ኣብ ኢድ ፀላእተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ መፂእኹም ግና፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥ “ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤ ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኮይኑ ንሳኦል ክዋጋእ ምስ ወፀ፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ምናሴ ኸዲዖም ናብ ዳዊት መፁ። ግና እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን “ኣራእስና ቘሪፁ ንጐይታኡ ሳኦል ክሕግዝ እዩ” ኢሎም መኺሮም ንፂቅላግ ስለ ዝሰደድዎ ምስ ሳኦል ኣይተዋግአን።</verse>
				<verse number="20">ናብ ፂቅላግ ክምለስ እንተሎ ድማ ኻብ ነገድ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድና፥ ዮዛባት፥ ይዲኤል፥ ሚካኤል፥ ዮዛባድ፥ ኤሊሁ፥ ፂልታይ እዮም። እዚኣቶም ናይ ነገድ ምናሴ ኣሕሉቕ ሽሕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብቲ ሰራዊት ከዓ ኣሕሉቕ ዝኾኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፥ ንዳዊት ኣንፃር እቲ ጭፍራ ወረርቲ ሓገዝዎ።</verse>
				<verse number="22">ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንዳዊት ምእንቲ ኽሕግዝዎ ሰባት ይመፁ ነበሩ እሞ፥ እቲ ሰራዊት ከም ሰራዊት ኣምላኽ ዓብዪ ኾነ።</verse>
				<verse number="23">እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="24">ደቂ ይሁዳ፥ ዋልታን ኲናትን ዝፆሩ፥ ንውግእ ዝተሰለፉ ሽዱሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን።</verse>
				<verse number="25">ካብ ደቂ ስምኦን፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሓያላት ጀጋኑ ሸውዓተ ሽሕን ሚእትን።</verse>
				<verse number="26">ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን።</verse>
				<verse number="27">ዮዳሄ፥ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፥ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን።</verse>
				<verse number="28">ሳዶቅ ድማ ጐበዝ፥ ሓያል ጅግና፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ክልተን ኣሕሉቕ ካብ ቤት ኣቦኡ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ። ክሳዕ እዝ እዋን እዙይ ዝበዝሑ ኻብኣቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ፀኒዖም ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ካብ ደቂ ኤፍሬም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት፥ ዕስራ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ሰባት።</verse>
				<verse number="31">ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፥ ንዳዊት ከንግስዎ ዝመፁ፥ በብስሞም ዝተሰምዩ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ።</verse>
				<verse number="32">ካብ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ዝፈልጡ፥ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፥ ክልተ ሚእቲ ዋናታት፥ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝኾኑ ዅሎም ኣሕዋቶም።</verse>
				<verse number="33">ካብ ዛብሎን ብዅሉ ዓይነት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ፈላጣት ስርዓት ውግእ ንዳዊት ከዓ ብዘይምውልዋል ብልቢ ዘገልግልዎ ሓምሳ ሽሕ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ንፍታሌም ከዓ ሽሕ ኣሕሉቕ፥ ምስኣቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን ዝተሰለፉ ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ።</verse>
				<verse number="35">ካብቶም ሰብ ዳን ከዓ ንውግእ ዝተሰለፉ ዕስራን ሸሞንተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን።</verse>
				<verse number="36">ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዝወፁ ኣርብዓ ሽሕ።</verse>
				<verse number="37">ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ኻብ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ብዅሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ።</verse>
				<verse number="38">ኵሎም እዚኣቶም ንውግእ ዝተዳለዉ ሰራዊት፥ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ከንግስዎ፥ ብፍፁም ልቢ ናብ ኬብሮን መፁ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ከንግስ ተሰማሚዑ ነበረ።</verse>
				<verse number="39">ኣሕዋቶም ኣሰናድዮምሎም ነበሩ እሞ፥ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ።</verse>
				<verse number="40">ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኮይኑ ነበረ። እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፥ ክሳዕ እቶም ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ዝነብሩ ዝነበሩ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፥ እንጀራ፥ ሕሩጭ፥ ጎጎ በለስ፥ ጎጎ ዘቢብ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ከፍቲ፥ ኣባጊዕን ኣጣልን የምፅኡ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ዳዊት፥ ምስ ኵሎም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ተማኸረ።</verse>
				<verse number="2">ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”</verse>
				<verse number="4">እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም።</verse>
				<verse number="6">ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዝቕመጥ እግዚኣብሄር ብስሙ ዝተሰምየ ታቦት ኣምላኽ፥ ካብኡ ኸምፅኡ ናብ በዓላ ቂርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ፅዒኖም ድማ ኻብ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ። ዖዛን ኣሒዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸታትን ብምሉእ ሓይሎም ይዝምሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ በፅሑ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ክድግፎ ኢሉ ሓዞ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ነቲ ታቦት ስለ ዝሓዞ ቐሰፎ እሞ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞተ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ድማ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ ሐዘነ እሞ፥ ነታ ቦታ እቲኣ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ እትፅወዖ ዘላ መቕሰፍቲ ዖዛ ኢሉ ሰመያ።</verse>
				<verse number="12">ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሑ “ንታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምፅኦ?” በለ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ኣቢዳራ እቲ ጌትያዊ ኣእተዎ እምበር፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዓዞን።</verse>
				<verse number="14">እቲ ታቦት ኣምላኽ ከዓ ምስ ስድራ ኣቢዳራ ጌትያዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ኣቢዳራን ንዅሉ ዘለዎን ባረኾ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ክሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ዝግባን ነደቕትን ፀረብትን ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ኣእትዩ፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ወለደ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ደቂ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥</verse>
				<verse number="5">ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥</verse>
				<verse number="6">ኖጋ፥ ናፈቅ፥ ያፌያ፥</verse>
				<verse number="7">ኤሊሳማ፥ በዔሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።</verse>
				<verse number="8">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ንዳዊት ክዋግእዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዐ፥ ክዋግኦም ወፀ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ ለሰ ራፋይም ኣትዮም፥ ሓደጋ ኣውደቑ።</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ፥ ኣብ ኢደይዶ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ተዋግኣዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ድማ ናብ በዓልፐራሲም ደዪቡ ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም። “ውሕጅ ጥሒሱ ኸም ዝኸይድ፥ ኣምላኽ ንፀላእተይ ጥሒሰዮም ከም ዝኸይድ ገበረኒ” በለ። ስለዙይ እታ ቦታ በኣልፐራሲም ተብሃለት።</verse>
				<verse number="12">ኣብኣ ፍልስጥኤማውያን ኣማልኽቶም ሓደጉ፤ ዳዊት ከዓ “ብሓዊ ኣቃፅልዎም” ኢሉ ኣዘዘ፤ ብሓዊውን ኣቃፀልዎም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ኸም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ሓደጋ ኣውደቑ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ድማ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ብቕድሚኦም ገፅ ንገፅ ኣይትግጠሞም፤ ዜርካ ብወገን እቲ ዳዕሮ ተዋግኣዮም እምበር ናብኣቶም ኣይትደይብ።</verse>
				<verse number="15">ኣብቲ ኣራእስ ዳዕሮ ናይ ዝረግፅ ድምፂ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣነ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖ ቀቅድሜኻ ኽወፅእ እዩሞ፥ ሽዑ ንውግእ ውፃእ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓርዎም።</verse>
				<verse number="17">ዝና ዳዊት ከዓ ኣብ ኵለን ሃገራት ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዅሎም ኣህዛብ ንዳዊት ከም ዝፈርሕዎ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ንባዕሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸዓ ድንኳን ተኸለሉ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም።</verse>
				<verse number="5">ካብ ደቂ ቀኣት፦ ንኡርኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤</verse>
				<verse number="6">ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ንዓሳያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤</verse>
				<verse number="7">ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ንኢዮኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ሰላሳን ኣሕዋቱን፤</verse>
				<verse number="8">ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ንሸማያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእቲ ኣሕዋቱን፤</verse>
				<verse number="9">ካብ ደቂ ኬብሮን፦ ንኤሊኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሰማንያ ኣሕዋቱን፤</verse>
				<verse number="10">ካብ ደቂ ዑዝኤል፦ ንኣሚናዳብን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋቱን ኣከቦም።</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ ነቶም ሌዋውያን፥ ንኡርኤልን ዓሳያን ኢዮኤልን ሸማያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ድማ፦ “ንስኻትኩም ነናይ ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኣሕሉቕ ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይፆርኩምዎ፥ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸዓ ስለ ዘየገልገልናዮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ሰብ ብምቕሳፍ ቀፅዐና፤ ስለዙይ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሰናደኽዋ ቦታ ኽተደይብዎ፥ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ” በሎም።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸደይብዎ ተቐደሱ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።</verse>
				<verse number="16">ዳዊት ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነቶም ኣሕዋቶም መዘምራን ብመሳርሒ ሙዚቃ፦ ብመሰንቆን ብበገናን ብፀናፅልን ተሓጒሶም ክቓንዩን ድምፆም ዓው ከብሉን ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንኤማን ወዲ ኢዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ድማ ንኣሳፍ ወዲ በራክያን ካብ ደቂ ሜራሪ ኸዓ ንኤታን ወዲ ቂሳን ሓረዩ።</verse>
				<verse number="18">ምስኣቶም ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም ንዝኾኑ ንዘካርያስ፥ ንቤን፥ ንያዝኤል፥ ንሰሚራሞት፥ ንይሒኤል፥ ንዑኒ፥ ንኤሊያብ፥ ንበናያስ፥ ንመዕሴያ፥ ንመቲትያ፥ ንኤሊፍሌሁ፥ ንሚቅኔያ፥ ነቶም ሓለውቲ ድንኳን ዝኾኑ ዖቤድኤዶምን ንይዒኤልን ኣቖሙ።</verse>
				<verse number="19">እቶም መዘምራን፥ ኤማንን ኣሳፍን ኤታምን፥ ብፀናፅል ነሃስ ዓው ኣቢሎም ይቓንዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ዘካርያስን ዓዝኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን ዑኒን ኤሊያብን መዕሰያን በናያስን ከዓ ብልዑል ዝድምፁ መሰንቆ ይቓንዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ማቲትያን ኤልፍሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ሸሞንተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ይቓንዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከዓ ፈላጥ ስለ ዝነበረ፥ ሓለቓ መዘምራን ነበረ፤ መዝሙር ድማ ይምህር ነበረ።</verse>
				<verse number="23">በረክያን ሕልቃናን ድማ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="26">ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="27">ዳዊትን እቶም ኵሎም ታቦት ዝፆሩ ሌዋውያንን፥ እቶም ዘመርትን፥ ከናንያ እቲ መራሒ መዝሙርን፥ እቶም መዘምራንን ብፅሩይ ሃሪ ዝተሰርሐ ካባ ተኸዲኖም ነበሩ። ዳዊት ድማ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="29">ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሕጐስን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ንእኡ ዝተኸሎ ድንኳን ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፤ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ።</verse>
				<verse number="3">ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብኡትን ነንስትን፥ ሓድሓደ ቕጫን ሓድሓደ ጉማድ ስጋን ሓድሓደ ጎጎ ዘቢብን ዓደሎም።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ንሓድሓደ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብውዳሴን ብምስጋናን ከገልግሉ ሰርዐ።</verse>
				<verse number="5">ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ክልተ ኻህናት ከዓ በናያስን የሕዚኤልን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣሳፍን ነሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ሓላፍነት ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፥ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ።</verse>
				<verse number="9">ተቐነዩሉ፥ ምስጋና ዘምሩሉ፤ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ንገሩ።</verse>
				<verse number="10">ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ፤ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልዩ ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="11">ንእግዚኣብሄር ድለይዎ ኽትፀንዑውን ኢኹም፤ ኵልሻዕ ገፁ ድለዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ንእኡ ዝተሓረኹም ዘርኢ እስራኤል ባሮቱ፥ ንእኡ ዝተሓረኹም ደቂ ያእቆብ፥ ነቲ ዝገበሮ ዘደንቕ ስራሑን፥ ተኣምራቱን፥ ዝሃቦ ፍርድታቱን ዘክሩ።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤ ፍርዱ ንዅላ ምድሪ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኪዳኑውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ዝኣዘዞ ቓል፥</verse>
				<verse number="16">ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሩ ኣቖሞ።</verse>
				<verse number="18">“ምድሪ ከነዓን ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፤ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ብቝፅሪ ውሑዳት ነበሩ፤ ውሑዳትን ኣብኡውን ስደተኛታትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ መንግስቲ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="21">ሓደ ሰብ እኳ ኽገፍዖም ኣይፈቐደን፤ ምእንታኣቶም ድማ ንነገስታት ገሰፀ።</verse>
				<verse number="22">ንቕቡኣተይ ኣይትንክእዎም፤ ኣብ ነቢያተይ ከዓ ኽፉእ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="23">ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ መዓልቲ መዓልቲ ምድሓኑ ኣብስሩ።</verse>
				<verse number="24">ንዅለን ሃገራት ክብሩ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታትውን ተኣምራቱ ንገሩ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ኣህዛብ ዝሰግዱሎም ኵሎም ኣማልኽቲ፥ ጣዖታት እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።</verse>
				<verse number="27">ግርማን ክብርን ኣብ ዙርያኡ፥ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ መቕደሱ ኣሎ።</verse>
				<verse number="28">ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤ ክብርን ስልጣንንውን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ።</verse>
				<verse number="29">ንስሙ ዝግባእ ክብሪ ሃብዎ፤ መባእ ሒዝኩም ኣብ ቅድሚኡ እተዉ፤ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ስገዱሉ።</verse>
				<verse number="30">ኵልኹም ሃገራት፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፤ ዓለም፥ ኣብ ፅኑዕ ተመስሪታ እያ፤ ኣይትናወፅንውን እያ።</verse>
				<verse number="31">ሰማያት ደስ ይበሎም፤ ምድሪ ኸዓ ትተሓጐስ፤ ኣብ ኣህዛብ ድማ፥ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ ይበሉ።</verse>
				<verse number="32">ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረትን ድምፂ ይሃብ፤ በረኻን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዳንያ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም ኣብ ቅድሚኡ ብታሕጓስ ይዘምሩ።</verse>
				<verse number="34">እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="35">“ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፥ ብምውዳስካውን ምእንቲ ኽንምካሕስ፥ ኣታ ናይ ምድሓንና ኣምላኽ ኣድሕነና፤ ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ ኵሎም ህዝቢ “ኣሜን ይበሉ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ።”</verse>
				<verse number="37">መዓልቲ መዓልቲ ዘድሊ ስራሕ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግሉ፥ ዳዊት ንኣሳፍን ንሌዋውያን ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሓደጎም።</verse>
				<verse number="38">ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ንካህን ሳዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከዓ፥ ኣብቲ ናይ ገባዖን በሪኽ ዘሎ መሕደሪ እግዚኣብሄር ከገልግሉ መደቦም።</verse>
				<verse number="40">ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዝተፅሓፈ ሕጊ፥ ኵልሻዕ ጊሓትን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ መረፆም።</verse>
				<verse number="41">ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ በብስሞም ዝተፀውዑ ሕሩያትን፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝኾነ ኸመስግንዎ ምስኣቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ሄማንን የዱቱንን ብመለኸታትን ብፀናፅልን በቲ ዝተረፈ ናይ ምስጋና መሳርሒ ሙዚቃን ኣድሚቖም ክቓንዩ ዝተመረፁ ነበሩ። ንደቂ የዱቱን ከዓ ሓለውቲ በሪ ገበሮም።</verse>
				<verse number="43">ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ቤቱ ኸደ፤ ዳዊት ከዓ ንቤቱ ኽባርኽ ተመለሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ይቕመጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንነቢይ ናታን “እንሆ ኣነ ብዝግባ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እቕመጥ ኣለኹ፤ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ናታን ከዓ ንዳዊት “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="3">በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መፀ፦</verse>
				<verse number="4">ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ በሎ፦ “ኣነ ዝነብረሉ ቤት ንስኻ ኣይኮንካን እትሰርሐለይ።</verse>
				<verse number="5">ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኻብ ድንኳን፥ ናብ ድንኳን ካብ መሕደሪውን ናብ መሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፥ ኣብ ቤት ኣይነበርኩን።</verse>
				<verse number="6">ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝተመላለስኩሉ፥ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክመርሑ ዝኣዘዝክዎም ኣሕሉቕ እስራኤል ስለ ምንታይ ካብ ኦም ዝግባ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለውን ኣይተዛረብኩን።</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ኣነ ኻብቲ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="9">ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኸዳልወሎም እየ፤ ኣብኣ ኸዓ ኽተኽሎም እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ዝህውኾም ኣይህሉን እዩ። ሽዑ ኸምቲ ናይ ቀደም መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ዝገዝኡሉ ዝነበሩ፥ እቶም ደቂ ዓመፅቲ መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ንዅሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዋርዶም እየ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ዕድሜኻ ምስ ተፈፀመ፥ ብድሕሬኻ ንሓደ ኻብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ንመንግስቱ ኸዓ ኸፅንዓ እየ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ንኣይ ቤት ክሰርሐለይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋኑ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ድማ ውሉድ ክኾነኒ እዩ። ከምቲ ቕድሜኻ ነጊሱ ንዝነበረ ሳኦል ዝገበርክዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፤ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”</verse>
				<verse number="15">ናታን በዝ ኸምዙይ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎን ዝገለፀሉን ራእይ ንዳዊት ነገሮ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣትዩ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተቐሚጡ ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ክሳዕ ክንድዙይ ዘኽበርካንስ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?</verse>
				<verse number="17">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርኢዩካስ፥ ብዛዕባ ዘርኢ ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ረአኻኒ።</verse>
				<verse number="18">“ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እሞ፥ ደጊምከ ብዛዕባ እዝ ኽብሪ ባርያኻ እዙይ እንታይ ክብል እየ?</verse>
				<verse number="19">ኦ እግዚኣብሄር! እዝ ዓብዪ ነገራት እዙይ ዝገበርካለይ፥ ብድሕሪ ሕዚ እውን ዓብዪ ነገር ከም እትገብረለይ ዘፍለጥካኒ፥ ፅቡቕ ፍቓድካን ውሳነኻን ስለ ዝኾነ እዩ።</verse>
				<verse number="20">“ኦ እግዚኣብሄር! ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ድማ ኣምላኽ የለን።</verse>
				<verse number="21">ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም።</verse>
				<verse number="22">ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኸም ዝኸውን ገበርካ፤ ንስኻ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኹ ኾንካሉ።</verse>
				<verse number="23">“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ዘርአይን ዝተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ዝፀንዐ ይኹን ኢልካ ኸም ዝተዛረብካዮውን ግበር።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ’ እናተብሃለ ስምካ ንዘለኣለም ክፀንዕን ክዓብን እዩ። ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀንዐት።</verse>
				<verse number="25">“ኦ ኣምላኸይ! ነዝ ፀሎት እዙይ ክፅሊ ዝደፈርኩ፥ ንኣይ ቤት ከም እትሰርሐለይ ስለ ዝገለፅካለይ እየ።</verse>
				<verse number="26">ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ንባርያኻ ኸዓ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ኣተስፈኻዮ።</verse>
				<verse number="27">ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ሕዚ ድማ፥ ቤተይ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፥ ክትባርኻ ፈቒድካ ኣለኻ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ሰዓሮም ኣዋረዶምውን፤ ንጌትን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ድማ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን።</verse>
				<verse number="2">ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፤ ሞኣባውያን ከዓ ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ከዓ ኻብኡ ሽሕ ሰረገላን ሸውዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ማሪኹ ወሰደ። ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ድማ ቋንጃ ኣእጋሮም ቈረፆም፤ ካብኣቶም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ሶርያውያን ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መፁ ኸዓ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀተለ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ድማ ኣብኡ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ እቶም ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ዳዊት ከዓ ነቲ ኣብ ወታደራት ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋልታታት ወርቂ ወሰዶ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="8">ካብተን ከተማታት ሃዳርዔዘር ዝኾና ጢብሓትን ኩንን ከዓ ብዙሕ ነሃስ ወሰደ። ደሓር ሰሎሞን በዝ ነሃስ እዙይ ገይሩ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጋብላን ኣዕምድን ኣቑሑን ሰርሐ።</verse>
				<verse number="9">ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኸም ዝሰዓሮ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="10">ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ኵልሻዕ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ዳዊት ንሃዳርዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸሞግሶን ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ዝተሰርሐ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑ ገፀ በረኸት ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ዳዊት ነዙይን ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብ ኤዶማውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ኣሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን፥ ዝማረኾ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ወፈዮ።</verse>
				<verse number="12">ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ንኤዶማውያን ስዒሩ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ቀተለሎም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ዝግብሩ ኾኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብማዕርነትን እናመሓደረ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ።</verse>
				<verse number="15">ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣዛዚ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሱሳ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከዓ ኣብ መንግስቲ ኣቦኣቶም ፍሉይ መዓርግ ነበሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ።</verse>
				<verse number="3">እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="5">ዝኾኑ ሰባት ከይዶም ከዓ እቲ ነቶም ሰባት ዝበፅሖም ነገር ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ እቶም ሰባት የመና ሓፊሮም ነበሩ እሞ፥ ዝራኸብዎም ሰባት ሰዲዱ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ረአዩ፥ ካብ ላዕለዋይ መስጴጦምያን ካብ ሶርያ ናይ መዓካን ካብ ሱባን ዕሱባት ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክቘፅሩ፥ ሓደ ሺሕ መክሊት ብሩር ለኣኹ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዝተዓሰቡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ሰራዊት ንጉስ መዓካን መፂኦም ኣብ ጥቓ ሜዳ ሰፈሩ፤ ደቂ ኣሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ወፂኦም ንውግእ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="8">ዳዊት ከዓ ሰሚዑ፥ ንኢዮኣብን ንዅሎም ጀጋኑ ሰራዊትን ሰደደ።</verse>
				<verse number="9">ደቂ ኣሞንውን ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ረባት እትበሃል ከተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመፁ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="10">ኢዮኣብ ከዓ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝተኸበበ ምስ ረአየ፥ ካብ ኵሎም እስራኤል ጀጋኑ ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ከዓ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ሓዉ ገበሮ፤ ንደቂ ኣሞን ክዋግእዎም ድማ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="12">ንኣቢሳ ኸዓ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፤ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ፥ ኣነ ኽረድአካ እየ።</verse>
				<verse number="13">ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ንቕድሚት ደፍኡ፤ ሶርያውያን ከዓ ተስዒሮም ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሓዉ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="16">ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽቲቱ፥ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ናብኣቶም ቀሪቡ ድማ ኽዋግኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ክዋግኦም ምስ ተሰለፈ ኸዓ፥ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ሶርያውያን ድማ ብእስራኤላውያን ተስዒሮም ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ቀተለ፤ ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳርዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ ዳዊት ተዓረቑ እሞ ተገዝእዎ፤ ገበሩሉውን። ብድሕሪዙይ ድማ እቶም ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ምሕጋዝ ሓደግዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ዓመት ምስ ሓለፈ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ኢዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፍኣ፤ መፂኡ ኸዓ ንራባት ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ኢዮኣብ ከዓ ንራባት ወቒኡ ኣፍረሳ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉሶም ሓደ መክሊት ዝምዘን ዘውዲ ወርቂ ነበሮ። እቲ ዘውዲ ኸዓ ኽቡራት ኣዕናቝ ነበርዎ። ዳዊት ድማ ነቲ ዘውዲ ንጉሶም፥ ካብ ርእሲ እቲ ንጉስ ወሲዱ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክብደቱ ድማ ሓደ መክሊት ወርቂ ዝኣክል ነበረ። ክቡር ዕንቊውን ነበሮ። ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ደፍእዎ፤ ካብታ ኸተማ ድማ የመና ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውፂኡ ኸዓ ብመጋዛትን ብመባሮን ብማሕፀታትን ክሰርሑ ኣገደዶም። ኣብ ኵለን ከተማታት ደቂ ኣሞንውን ኸምኡ ገበረ። ዳዊትን ኵሉ ሰራዊቱን ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪዙይ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዝር ውግእ ተልዓለ። ሽዑ ሴቦካይ ኩሳታዊ ነቲ ኻብቶም ጕልቡታት ዝኾኑ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ንሲፋይ ቀተሎ።</verse>
				<verse number="5">መሊሱ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ተገብረ፤ ኤልያናን ወዲ ያዒር ከዓ ንለሕሚ ሓው ጐልያድ እቲ በዓል ጌት ቀተሎ። ንሱ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ዝተኣለመ ዓለባ ዝጥቕለለሉ ዝኸውን ነበረ።</verse>
				<verse number="6">መሊሱ ኸዓ ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሽዱሽተ፤ ኣብ ኵሉ ኢደ እግሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ዝተወልደ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ንህዝቢ እስራኤል ምስ ኣባጨወሎም ድማ፥ ዮናታን ወዲ ሺምዓይ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።</verse>
				<verse number="8">እዚኣቶም ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሓሻኽሩን ዝተቐተሉ፥ ካብቶም ኣብ ጌት ዝተወለዱ ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ከዓ ንኢዮኣብን ነሕሉቕ ህዝብን “ኪዱ ኻብ ቤርሳቤህ ጀሚርኩም ክሳዕ ዳን ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ቍፀርዎ። ብዝሖም ምእንቲ ኽፈልጥ ከዓ ፀብፃብ ኣምፅኡለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ኢዮኣብ ድማ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ጊዜ የብዝሓዮ! ግና፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኵሎም ሓሻኽርኻ እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ ነዝ ነገር እዙይ ትደልዮ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እስራኤል ምኽንያት በደል ትኾኖም?” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ግና ንኢዮኣብ በርትዖ። ስለዙይ ኢዮኣብ ወፀ፤ ናብ ኵሉ እስራኤል ከይዱ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="5">ኢዮኣብ ድማ ድምር እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ካብ ኵሉ እስራኤል ከዓ ሓደ ሚልዮንን ሚእቲ ሽሕን ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ካብ ይሁዳ ኸዓ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ኢዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ስለ ዘይተቐበሎ ንሌዊን ንብንያምን ኣይቈፀሮምን።</verse>
				<verse number="7">ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ዳዊት “እዝ ነገር እዙይ ብምግባረይ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ በደልኩ፤ ዓብዪ ስንፍና ድማ ገይረ እየሞ፥ ሕዚ በይዛኻ፥ ንበደል ባርያኻ ክተወግዶ እልምነካ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ</verse>
				<verse number="10">“ኪድ እሞ ንዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሰለስተ ነገር ኣቕሪበልካ ኣለኹ፤ ካብኡ ሓደ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ጋድ ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እትደልዮ ምረፅ፦</verse>
				<verse number="12">ሰለስተ ዓመት ጥሜት፥ ወይ ሰይፊ ፀላእትኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ምህዳም፥ ወይ እቲ ሰይፊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፌራ ኣብዛ ሃገር ንሰለስተ መዓልቲ ምዃን፥ መልኣኽ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ከምፅእ።’ ነቲ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝምልሰሉ ሕዚ ሕሰብ።”</verse>
				<verse number="13">ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕን ዓቢይን እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሐሸኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ኻብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰባት ሞቱ።</verse>
				<verse number="15">ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ድማ “ኦ ኣምላኽ! ኣነ እየ እቲ ህዝቢ ኽቝፀር ዝኣዘዝኩ፤ ኣነ እየ ዝበደልኩን ክፉእ ዝገበርኩን፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ግና እንታይ ገበሩ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! መቕፃዕትኻ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር ኣብ ህዝብኻስ ኣይትኹን” ኢሉ ለመነ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፥ “ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርበሉ ንዳዊት ንገሮ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝተዛረቦ ደየበ።</verse>
				<verse number="20">ኦርና ምስ ኣርባዕተ ደቁ ኾይኑ ስርናይ የኽይድ ነበረ፤ ነቲ መልኣኽ ምስ ረአይዎ ድማ እቶም ደቁ ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="21">ዳዊት ናብ ኦርና ኽመፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ኦርና ኣማዕድዩ ንዳዊት ረአዮ፤ ካብቲ ዓውዲ ወፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።</verse>
				<verse number="22">ዳዊት ከዓ “እዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ መቕሰፍቲ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ እዙይ ብምሉእ ዋጋ ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ኦርና ኸዓ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ! ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር፤ እንሆ እዞም ኣብዑር ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ እዝ ኣቑሑ ዓውዲ ንዕንፀይቲ፥ እዝ ስርናይውን ንመስዋእቲ እኽሊ ክኸውን ኵሉ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርና “ኣይፋሉን፤ ናትካ ዝኾነ ወሲደ ንእግዚኣብሄር ክህብ ኣይደልን፤ ዋጋ ዘይሃብኩሉ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርብ ኣይደልን እየ እሞ፥ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ሽጠለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ዳዊት ከዓ ንኦርና ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ወርቂ ሃቦ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ።</verse>
				<verse number="28">በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ መልሲ ኸም ዝሃቦ ምስ ረአየ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ሰውአ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰርሖ መሕደሪ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውእን በቲ ጊዜ እቱይ ኣብቲ ናይ ገባዖን ኰረብታ እዩ ዝነበረ።</verse>
				<verse number="30">ዳዊት ግና ሰይፊ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሐ፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቕ ኢሉ ናብኡ ክኸይድ ኣይከኣለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ሽዑ ዳዊት “እዙይ ቤት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝስውኡሉ መሰውኢውን እዙይ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት፥ እቶም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ጓኖት ክእከቡ ኣዘዘ። ቤት እግዚኣብሄር ንኽስራሕ ከዓ ኣእማን ዝወቕሩ ወቐርቲ ኻብኣቶም መደበ።</verse>
				<verse number="3">ንመዓፁ ኣፍ ደገታትን ንመተሓሓዝን ዝኸውን ሽንካር ምእንቲ ኽሰርሕ ብዙሕ ሓፂንን፥ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽምዘን ዘይከኣል ነሃስን ኣከበ።</verse>
				<verse number="4">ሲዶናውያንን ጢሮሳውያንን ብዙሕ ዝግባ ንዳዊት የምፅኡሉ ስለ ዝነበሩ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሉ ኦም ዝግባ ኣከበ።</verse>
				<verse number="5">ዳዊት “ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ለግለግን እዩ። እዛ ንእግዚኣብሄር ክሰርሓ ዘለዎ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን የመና ፅብቕትን ክትከውን ይግባእ፤ ስለዙይ ኵሉ ዘድሊ ኸዳልወላ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ፀዊዑ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="7">ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ብልበይ ሓሲበ ነይረ።</verse>
				<verse number="8">ግና እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፥ ብዙሕ ውግእ ኸዓ ተዋጊእኻ ኢኻ፤ እምበኣርከስ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፥ ንስመይ ቤተ መቕደስ ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ፥ ንስኻ ወዲ ኽትወልድ ኢኻ፤ ንሱ ኸዓ ናይ ህድኣት ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ፀላእቱ ድማ ሰላም ስለ ዝህቦ፥ ስሙ ሰሎሞን ክበሃል እዩ፤ ብዘመኑ ድማ ንእስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ንስመይ ቤተ መቕደስ ክሰርሐለይ እዩ። ንሱ ውሉድ ክኾነኒ እዩ፤ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክኾኖ እየ። ዙፋን መንግስቱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።’</verse>
				<verse number="11">“ሕዚ ኸዓ፥ ኣታ ወደይ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ ዝተዛረቦ ድማ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሰርሕ ይሓግዝካ።</verse>
				<verse number="12">ንህዝቢ እስራኤል ከም ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትመርሖም፥ እግዚኣብሄር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሃብካ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።</verse>
				<verse number="14">“እንሆ ኣነ ኸዓ፥ ብዓቕመይ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ወርቅን ልዕሊ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ኣዳልየ ኣለኹ። ነሃስን ሓፂንን ከዓ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኽምዘን ዘይከኣል ኣዳልየ ኣለኹ። ኣእዋምን ኣእማንንውን ኣዳልየ ኣለኹ። ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ወስኸሉ።</verse>
				<verse number="15">ብዙሓት ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ምሳኻ ኣለዉ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዝፈልጡ፥ ቀረፅትን ወቐርትን ፀረብትንውን ኣለዉኻ፤</verse>
				<verse number="16">ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብነሃስ፥ ብሓፂን ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ቝፅሪ የብሎምን። እምበኣር ተስእ እሞ ስራሕ ጀምር፤ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።”</verse>
				<verse number="17">ዳዊት ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ክሕግዝዎ ኣዘዞም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦</verse>
				<verse number="18">“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ስለ ዝኾነ ብዅሉ ወገን ሰላም ሃበኩም፤ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸዓ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ እዛ ሃገር ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንኣኻትኩምን ተገዝአት።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን እቲ ቕዱስ ኣቑሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፥ ተስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ ዕድመ ፀጊቡ ምስ ኣረገ፥ ንወዱ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።</verse>
				<verse number="2">ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም።</verse>
				<verse number="3">ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ዳዊት ከዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከመሓድሩ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣሕሉቕን ፈራዶን ክኾኑ መረፆም።</verse>
				<verse number="5">ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ በርታት ነበሩ፤ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ዳዊት ዘስርሖ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም።</verse>
				<verse number="7">ጌድሶን ክልተ ደቂ ነበርዎ፦ ለኣዳን፥ ሰሜኢ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ላዕዳን ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ይሒኤል፥ ዜቶም፥ ኢዮኤል እዮም።</verse>
				<verse number="9">ሰሜኢ ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ሸሎሞት፥ ሓዝኤል፥ ሓራን። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ለኣዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።</verse>
				<verse number="10">ሰሜኢ ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ ኢኢት፥ ዚዛ፥ የዑስ፥ በሪዓ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኢኢት ቀዳማይ ነበረ፤ ዚዛ ድማ ኻልኣይ ነበረ። የዑስን በሪዓን ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፥ ስለዙይ ከም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ኾይኖም ተቘፀሩ።</verse>
				<verse number="12">ቀኣት ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ እንበረም፥ ዪፅሃር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል።</verse>
				<verse number="13">ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ሙሴ፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ምስ ነገድ ሌዊ ተቘፀሩ።</verse>
				<verse number="15">ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤</verse>
				<verse number="16">ዋና ደቂ ጌርሳም ሱባኤል ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ዋና ደቂ ኣልዓዛር ረዓብያ ነበረ፤ ኣልዓዛር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፤ ደቂ ረዓብያ ግና እምብዛ ብዙሓት ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ይስዓር ንሰሎሚት ወለደ፤ ንሱ ዋና ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ኬብሮን፦ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቅምዓም።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ዑዝኤል፦ ዋና ሚካ፥ ካልኣይ ይሽያ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን፥ ሙሲን ነበሩ፤ ደቂ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛርን፥ ቂስን ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ኣልኣዛር ኣወዳት እንተይሓደገ ሞተ፤ ኣዋልድ ግና ነበራኦ፤ ደቂ ሓው ኣቦኣተን ቂስ ከዓ ኣእተዉወን።</verse>
				<verse number="23">ደቂ ሙሲ፦ ሞሖሊ፥ ዔደር፥ የሬሞት፥ ሰለስተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ዕረፍቲ ሂብዎ እዩ። ካብ ሕዚ ንዘለኣለም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ ምሸት ምሸት ከዓ ኸምኡ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥</verse>
				<verse number="31">ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተሰርዐ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቝፅሪ ዝተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኵሉ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ተመዲቦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">መደብ ኣገልግሎት ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ናዳብን ኣብዩድን ግና ቕድሚ ኣቦኣቶም ሞቱ፤ ውሉድ ከዓ ኣይነበርዎምን፤ ስለዙይ ኣልኣዛርን ኢታምርን ካህናት ኮኑ።</verse>
				<verse number="3">ዳዊት ድማ በቲ ኻብ ደቂ ኣልኣዛር ዝኾነ ሳዶቅን በቲ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝኾነ ኣቢሜሌክን ተሓጊዙ በብእቲ ዝተመደብዎ ምእንቲ ኸገልግሉ መደቦም።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ደቂ ኣልኣዛር ከዓ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፤ ከምዙይ ኢሎም ከዓ ተሰርዑ፦ ካብ ደቂ ኣልኣዛር ዓሰርተ ሽዱሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኮኑ፤ ካብ ደቂ ኢታምር ከዓ ኸከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሸሞንተ ዋናታት ኮኑ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ደቂ ኣልኣዛር ኮነ ኻብ ደቂ ኢታምር መመሓደርቲ ቤተ መቕደስን ኣገልገልቲ እግዚኣብሄርን ነበሩሞ፥ እዚኣቶምን እቲኣቶምን ብዕፃ ተመደቡ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ፀሓፊ ሸማያ ወዲ ናትናኤል፥ ካብ ነገድ ሌዊ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታቱን ካህን ሳዶቅን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ፀሓፎም፤ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኣልኣዛር፥ ሓደ ኸዓ ንኢታማር ፀሓፈ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዕፃ ዝበፅሖም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ቀዳማይ ንዮኣሪብ፥ ካልኣይ ንዮዳኤ፥</verse>
				<verse number="8">ሳልሳይ ንካሪም፥ ራብዓይ ንስዖሪም፥</verse>
				<verse number="9">ሓምሻይ ንመልኪያ፥ ሻድሻይ ንሚያሚን፥</verse>
				<verse number="10">ሻውዓይ ንለኣቆስ፥ ሻምናይ ንኣቢያ</verse>
				<verse number="11">ታሽዓይ ንኢያሱ፥ ዓስራይ ንሴኬንያ፥</verse>
				<verse number="12">መበል ዓሰርተ ሓደ ንኤልያሴብ፥ መበል ዓሰርተ ኽልተ ንያቂም፥</verse>
				<verse number="13">መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንኦፓ፥ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንየሼብኣብ፥</verse>
				<verse number="14">መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንቢልጋ፥ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንኢሜር፥</verse>
				<verse number="15">መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንኤዚር፥ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሃፊፄፅ፥</verse>
				<verse number="16">መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንፈታያ፥ መበል ዕስራ ንኤዜቄል፥</verse>
				<verse number="17">መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፥ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፥</verse>
				<verse number="18">መበል ዕስራን ሰለስተን ንድላያ፥ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንመዓዝያ፥</verse>
				<verse number="19">ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ ኣቦኣቶም ኣሮን ዝሃቦም ስርዓት፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዮም ከከም ብፅሒቶም ከገልግሉ ዝተውሃቦም ሓላፍነት እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ካብ ሌዊ ዝተረፉ ኻልኦት ኣቦታት ማይ ቤት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ እንበረም፥ ሱባኤል፤ ካብ ደቂ ሱባኤል፥ ዮሕድያ፤</verse>
				<verse number="21">ካብ ደቂ ዓረብያ፥ ይሺያ እቲ ዋና፤</verse>
				<verse number="22">ካብ ይስዓራውያን፥ ሰሎሚት፤ ካብ ደቂ ሰሎሚት፥ ያሓት፤</verse>
				<verse number="23">ደቂ ኬብሮን፦ እቲ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቀምዓም፤</verse>
				<verse number="24">ወዲ ዑዝኤል፦ ሚካ፥ ካብ ደቂ ሚካ ሻሚር፤</verse>
				<verse number="25">ሓው ሚካ፦ ይሺያ፥ ካብ ደቂ ይሺያ ዘካርያስ፤</verse>
				<verse number="26">ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን ሙሲን እዮም፥ ወዲ ያዚያ በኖ፤</verse>
				<verse number="27">ደቂ ሜራሪ፦ ካብ ያዚያ፦ በኖ፥ ሾሃም፥ ዘኩር፥ ዔብሪ፤</verse>
				<verse number="28">ካብ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛር፤ ንሱ ደቂ ኣይነበርዎን፤</verse>
				<verse number="29">ካብ ቂስ፦ ይረሕምኤል፤</verse>
				<verse number="30">ካብ ደቂ ሙሲም ከዓ፦ ሞሖሊን ዔደርን ኢያሪሙትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ሌዋውያን እዮም።</verse>
				<verse number="31">እዚኣቶም ድማ ኸምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ሳዶቅን ኣቢሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ኣናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ ዕፃ ተዋደቑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ፥ ንደቂ ኣሳፍን ንደቂ ኤማንን ንደቂ ኤዶታምን ነገልግሎት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብፀናፅልን ትንቢት ክናገሩ ፈለዮም። ቍፅሪ እቶም ከከም ኣገልግሎቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ከዓ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ደቂ ኣሳፍ፦ ዘኩር፥ ዮሴፍ፥ ነታንያ፥ ኣሳርኤላ፥ እዚኣቶም ደቂ ኣሳፍ፥ ብትእዛዝ ንጉስ ዝንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዝመርሖም ዝነበሩ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ካብ ኤዶታም ደቂ ኤዶታም፦ ጎዶልያስ፥ ፅሪ፥ የሻያ፥ ሰሜኢ፥ ሓሸብያ፥ መቲትያ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ነበሩ። እዚኣቶም በቲ ብበገና ንእግዚኣብሄር ብምምስጋንን ብምውዳስን ዝንበ ዝነበረ ኣቦኣቶም ዝምርሑ ዝነበሩ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ካብ ኤማን፥ ደቂ ኤማን፦ ቡቅያ፥ መታንያ፥ ዓዛርዝኤል፥ ሱባኤል፥ ኢያሪሙት፥ ሓናንያ፥ ሓናኒ፥ ኤሊያታ፥ ጊዶልቲ፥ ሮማንቲዔዘር፥ ዮሽብቃሻ፥ መሎቲ፥ ሆቲር፥ መሓዝዮት።</verse>
				<verse number="5">እዚኣቶም ኵሎም ደቂ እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪ ዝነበረ ኤማን እዮም፤ ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ንኤማን ልዕል ከብሎ ኢሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ሃቦ።</verse>
				<verse number="6">እዚኣቶም ኵሎም ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዅሉ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣቦታቶም ከዓ ይመርሕዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ቍፅሮም ድማ፥ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር ዝተምሃሩ ዅሎም ክኢላታት ኣሕዋቶም፥ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ነናቶም ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፈልጡ ድማ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ መምህር ኮነ ተምሃሪ፥ ማዕረ ገይሮም ዕፃ ኣውደቑ።</verse>
				<verse number="9">ቀዳመይቲ ዕፃ ኻብ ዓሌት ኣሳፍ ንዝኾነ ንዮሴፍ በፅሐት፤ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ካልአይቲ ንጎልዶያስ በፅሐት፤ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ሳልሰይቲ ንዘኩር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ራብዐይቲ ንይፅሪ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ሓምሸይቲ ንነታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ሻድሸይቲ ንቡቅያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ሻውዐይቲ ንይሽርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ሻምነይቲ ንየሻያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ታሽዐይቲ ንመታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ዓስረይቲ ንሰሜዒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">መበል ዓሰርተ ሓደ ንዓዛርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">መበል ዓሰርተ ኽልተ ንሓሽብያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንሱባኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንመቲትያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንኢያሪሙት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንሓናንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንዮሽብቃሻ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሓናኒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንመሎቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">መበል ዕስራ ንኤልያታ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">መበል ዕስራን ክልተን ንጊዶልቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">መበል ዕስራን ሰለስተን ንመሓዚዮት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="31">መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማንቲዔዘር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰርዑ፦ ካብ ቆሬያውያን፦ ሜሱላም ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።</verse>
				<verse number="2">ሜሱላም ደቂ ነበርዎ፤ በዅሩ ዘካርያስ፥ ካልኣይ ይዲኤል፥ ሳልሳይ ዮዛባት፥ ራብዓይ የትኒኤል፥</verse>
				<verse number="3">ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንዖቤድኤዶም ውሉድ ብምሃብ ባረኾ፤ በዅሩ ሸማያ፥ ካልኣይ ዮዛባት፥ ሳልሳይ ኢዮኣስ፥ ራብዓይ ሳካር፥ ሓምሻይ ናትናኤል፥ ሻድሻይ ዓሚኤል፥ ሻውዓይ ይሳኮር፥ ሻምናይ ፒላቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ንወዱ ሸማያ ኸዓ ኣወዳት ተወለዱሉ፤ ንሳቶም ሓያላትን ብርቱዓትን ሰባት ነበሩ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣቶም መራሕቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ሸማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፥ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሓያላት ኤሊሁን ሰማክያን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ንኣገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት ነበሩ፤ ኵሎም ደቂ ዖቤድኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ።</verse>
				<verse number="11">ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ሓለውቲ በርታት ቤተ መቕደስ፥ በብማይ ቤቶም ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ተመደቡ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኸዓ ኸምቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓላፍነት ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="13">ዓቢይን ንእሽተይን ማይ ቤት እንተይበሉ ኣየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዝሕልዉ ምእንቲ ኽፈልጡ ዕፃ ኣውደቑ።</verse>
				<verse number="14">ብወገን ምብራቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ንሰሌምያ በፅሖ። ነቲ ለባም መኻሪ ዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ እቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ።</verse>
				<verse number="15">ንዖቤድኤዶም ከዓ እቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። ነቶም ደቁ ድማ ምሕላው ቤተ መዛግብቲ በፅሖም።</verse>
				<verse number="16">እታ ናብ ጥቓ ደገ ሸሌኬት እተደይብ መንገዲ፥ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣፍ ደገ ኸዓ ንሰፊንን ንሖሳን በፅሖም። ንውሱን እዋን ከዓ በብተራ ይሕልውዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ብወገን ምብራቕ መዓልቲ መዓልቲ ሽዱሽተ ሌዋውያን ይሕልዉ ነበሩ። ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ፥ ብወገን ደቡብ ድማ ኣርባዕተ ይሕልዉ ነበሩ። ኣብ ክልቲኡ ቤተ መዛግብቲ ከዓ ኸክልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብቲ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣደባባይ፥ ኣብቲ ፈርባር መንገዲ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ ጥቓ ፈርባር ድማ ኽልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ ሜራሪን ዝነበሩ ስሩዓት ሓለውቲ በርታት እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="20">ካብ ሌዋውያን ድማ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ነገርን ተሸይሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ለኣዳን ንለኣዳን፥ ዝኾኑ ደቂ ጌድሶናውያን፥ ንጌድሶናዊ ንለኣዳን ዝኾኑ ማይ ቤት ኣቦታት ይሒኤል፥</verse>
				<verse number="22">ደቂ ይሒኤሊ ከዓ ዜቶምን ሓዉ ኢዩኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ሓለፍቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ካብ እንበረማውያን፥ ይስዓራውያን፥ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን ሓለፍቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ሱባኤል፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሓላፊ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ሓዉ ኣልዓዛር ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ኣልዓዛር ንረዓብያ ወለደ፤ ረዓብያ ንየሻያ ወለደ፤ የሻያ ንኢዮራም ወለደ፤ ኢዮራም ንዝክሪ ወለደ፤ ዝክሪ ንሰሎሚት ወለደ።</verse>
				<verse number="26">ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ንእግዚኣብሄር ንዝወፈይዎ ነገር ሓለፍቲ ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎውን ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ክኸውን ወፍዮምዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="28">ኵሉ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣበኔር ወዲ ኔርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ካብ ዓሌት ይስዓር ዝኾኑ ከናንያን ደቁን ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹመኛታትን ፈረድትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">ደቂ ኬብሮን፥ ሓሸብያን እቶም ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኣሕዋቱን ብርቱዓት ሰብኡት ስለ ዝነበሩ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንእስራኤል ከመሓድሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ እግዚኣብሄርን ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመደቡ።</verse>
				<verse number="31">ካብቶም ኬብሮናውያን፥ ይሪያ ዋና ማይ ቤት ኬብሮናውያን ነበረ። ዳዊት ምስ ነገሰ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኣቶም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኣቶም ኣብ ኢያዜር ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ።</verse>
				<verse number="32">ዳዊት ድማ ኻብ ማይ ቤት ይሪያ ኽልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ብርቱዓት ሰብኡት ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሓረየ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ኣብ ኵሉ ናይ እግዚኣብሄር ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሓላፊነት ሃቦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ያሾብዓም ወዲ ዘብድኤል ሓለቓ ናይታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ሰራዊት ነበረ። ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኻብ ደቂ ፋሬስ ነበረ፤ ሓለቓ ናይቶም ብቐዳመይቲ ወርሒ ዘገልግሉ ኣሕሉቕ ሰራዊት ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ብኻልአይቲ ወርሒ፥ እቲ ኣሆሃዊ ዱዲ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሚቅሎት ከዓ ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="6">በናያስ ሓደ ኻብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ነበረ፤ ሓለቓኣቶምውን ነበረ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ብራብዐይቲ ወርሒ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ሓለቓ ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብድሕሪኡ ኸዓ ወዱ ዝባድያ ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ብሓምሸይቲ ወርሒ፥ ሸምሁት እቲ ይዝራዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="9">ብሻድሸይቲ ወርሒ፥ እቲ ሻድሻይ ሓለቓ ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቁሓዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="10">ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ሴሌስ እቲ ፍሎናዊ ካብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="11">ብሻምነይቲ ወርሒ፥ ሲቦካይ ኩሳታዊ ካብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="12">ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኣቢዔዝር እቲ ዓናቶናዊ ኻብ ብንያማውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="13">ብዓስረይቲ ወርሒ ኖኤሬ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ በናያስ በዓል ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ሔልዳይ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ደቂ ጎቶንያል ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="16">ንነገዳት እስራኤል ዘመሓድሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያን ኣልኣዛር ወዲ ዝክሪ ሓለቓ ነገድ ሮቤል ነበረ። ሰፋጥያስ ወዲ መዓካ፥ ሓለቓ ስምዖናውያን ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ሓሻብያ ወዲ ቀሙኤል፥ ሓለቓ ነገድ ሌዊ ነበረ። ሳዶቅ ሓለቓ ደቂ ኣሮን ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ኤሊሁ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፥ ሓለቓ ይሁዳ ነበረ። ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፥ ሓለቓ ነገድ ይሳኮር ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ይሽማያ ወዲ ኣብድዩ፥ ሓለቓ ነገድ ዛብሎን ነበረ፤ ኢያሪሙት ወዲ ዓዝሪኤል፥ ሓለቓ ነገድ ንፍታሌም ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ሆሴዕ ወዲ ኣዛዝያ፥ ሓለቓ ነገድ ኤፍሬም ነበረ። ኢዮኤል ወዲ ፈዳያ፥ ሓለቓ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ኣዶ ወዲ ዘካርያስ፥ ሓለቓ ናይቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ። የዕሲኤል ወዲ ኣብኔር ሓለቓ ነገድ ብንያም ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም፥ ሓለቓ ነገድ ዳን ነበረ። እዚኣቶም ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤል ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ግና እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዘብዝሖም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፥ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዅሎም ኣይቈፀሮምን ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኽቘፅር ጀሚሩ ነበረ፤ ግና ኣይወድኦን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መዓት መፀ። እቲ ፀብፃብ ግና ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ኣይተፅሓፈን።</verse>
				<verse number="25">ዓዛሞት ወዲ ዓዲኤል ሓለቓ መዛግብቲ ንጉስ ነበረ። ዮናታን ወዲ ዖዝያ ድማ ናይቲ ኣብ ገራሁን ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ዕርድታትን ዝነበረ ጥሪት ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ዔዝሪ ወዲ ክሉብ ከዓ ናይቶም ኣብ ግራት ዝዓዩ ሓረስቶት ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ሰሜኢ በዓል ኣርማቴም፥ ሓለቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ። ዘቢድ በዓል ሸፋም ድማ ናይቲ ኣብ ማዕኸናት ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">በዓልሓናን እቲ ጌድራዊ ከዓ ናይቲ ኣብ ቆላ ዝነበረ ተኽሊ ኣውሊዕን ዳዕሮን ሓለቓ ነበረ። ኢዮኣስ ድማ ናይ ማዕኸን ዘይቲ ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ሰጥራይ በዓል ሳሮን ናይተን ኣብ ሳሮን ዝጓሰያ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ። ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ናይተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ኡቢያስ እቲ እስማኤላዊ ሓለቓ ኣግማል ነበረ። ዮሕድያ በዓል ሜሮኖት ሓለቓ ኣእዱግ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ያዚዝ እቲ ኣጋራዊ ድማ ሓለቓ ኣባጊዕን ኣጣልን ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">ዮናታን ሓወቦኡ ንዳዊት፥ መማኸሪኡ ነበረ። ንሱ መስተውዓልን ፀሓፍን ነበረ። ይሒኤል ወዲ ሓክሞኒም ድማ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ኣኪጦፌል ድማ መማኸሪ ንጉስ ነበረ። ኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ድሕሪ ኣኪጦፌል፥ ዮዳሄ ወዲ በናያስን ኣብያታርን መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ። ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ሰራዊትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ነቶም ናይ ንጉስን ደቁን ገንዘብን ከፍትን ሃብትን ዘመሓድሩን፥ ነቶም ሹመኛታትን ነቶም ጀጋኑ ሰባትን ንዅሎም ሓያላት ተዋጋእትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ።</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽ ግና ‘ንስኻ ናይ ኲናት ሰብ ኢኻ፤ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="4">“ግና ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ፤ ንይሁዳ መራሒ ክኸውን ሓርይዎ እዩሞ፥ ካብ ቤት ይሁዳውን ንቤት ኣቦይ ሓረያ፤ ካብ መንጎ ኣሕዋተይ ከዓ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ክነግስ መረፀኒ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ ‘ንወድኻ ሰሎሞን ውሉድ ክኾነኒ ሓርየዮ እየ፤ ኣነውን ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ቤተይን ኣፀዳተይን ክሰርሕ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸምቲ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ብትእዛዛተይን ሕግጋተይን እንተ ነበረ፥ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ።’</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። ኣብዛ ዝወረስኩምዋ ፅብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ብድሕሬኹምውን ንደቅኹም ንዘለኣለም ክተውርስዎም፥ ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድለይዎን ሓልውዎውን።</verse>
				<verse number="9">“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ኸዓ ኣስተውዕል፦ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፥ ጠንኪርካ ስራሕ።”</verse>
				<verse number="11">ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ድማ ንድፊ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ኣቑሑ ዝቕመጠሉ ኣብ ዙርያ ዘለዋ ኽፍልታትውን ሃቦ።</verse>
				<verse number="13">ከምኡውን ኣመዳድባ ኻህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን መምርሒ ሃቦ።</verse>
				<verse number="14">ንዅሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝውዕል ብወርቅን ብብሩርን ዝስራሕ ኣቑሑ፤ ክንደይ ዝሚዛኑ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ድማ መደበሉ።</verse>
				<verse number="15">ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ወርቅን፥ ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ብሩርን ክንደይ ከም ዝኸውን መደበሉ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሕብስቲ ቝርባን ዝንበረሉ ብወርቂ ዝስራሕ ሰደቓን ብብሩር ዝስራሕ ሰደቓን ክንደይ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ከዓ መደበሉ።</verse>
				<verse number="17">ንሻኳታትን ጭሐሎታትን ኵስኵስትታትን፥ ዝኸውን ፅሩይ ወርቂ፥ ንናይ ወርቂ ፅዋዓት ነንፅዋዕ ብሚዛን፥ ንናይ ብሩር ፅዋዓትን ነንፅዋዕ ብሚዛን ሃቦ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ መሰውኢ ዕጣንን ነቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣኽናፎም ዘርጊሖም ዘለዉ ኪሩቤልን ነቲ ንኣኣቶም ዝፀውር ምስሊ ወርቂ ሰረገላ መስርሒ ዝኸውን ዝተዀልዐ ወርቂ መዚኑ ሃቦ።</verse>
				<verse number="19">ዳዊት ከዓ “ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ናይዚ ዅሉ ነገር እዙይ ንድፊ ተፅሒፉ መፀኒ” በለ።</verse>
				<verse number="20">ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝተመደቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እኒሀዉ። እቶም ብድሌት ዝሰርሑን ጥበብ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣብ ኵሉ ስራሕ ክሕግዙኻ ምሳኻ እኒሀዉ። እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ንዅሉ ትእዛዝካ ኽፍፅሙ ድልዋት እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ንጉስ ዳዊት ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ኣምላኽ ንበይኑ ሓርይዎ ዘሎ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ተመክሮ ዘይብሉን እዩ። እዝ ኣዳራሽ እዙይ ግና ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ኣይኮነን እሞ፥ እቲ ስራሕ ዓብዪ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ኢለ ዝቐረብክዎ ዅሉ ድማ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሔረይ ፈትየያ ኣለኹ እሞ፥ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘለኒ፥ ወሲኸ ንቤተ እግዚኣብሔረይ እህብ ኣለኹ፦</verse>
				<verse number="4">ንመለበጢ መንደቕ ኣባይቲ ዝኸውን ሚእቲ ሺሕ ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥</verse>
				<verse number="5">ወርቂ ንዘድሊ ወርቂ፥ ብሩር ንዘድሊ ድማ ብሩር፥ ብኢድ ብልሓተኛ ንዝግበር ኵሉ ስራሕ እንተይተረፈ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ብልግሲ ዝህብ መን እዩ?”</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን እቶም ኣሕሉቕ እቲ ስራሕ ንጉስን ብድሌት ሃቡ።</verse>
				<verse number="7">ንስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኪሎ ግራም ነሃስን፥ ሰለስተ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚእትን ሽሕ ኪሎ ግራም ሓፂንን ሃቡ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ክቡር ኣእማን ዝነበሮም ከዓ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተውዎ፤ ንየሒኤል እቲ ጌርሾናዊ ድማ ሓላፍነት ሃብዎ።</verse>
				<verse number="9">እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="10">ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።</verse>
				<verse number="12">ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣምላኽና! ነመስግነካ ኣለና፤ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">“ከምዙይ ብድሌት ክነቕርብ ዝኸኣልናስ፥ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ መን እዮም? ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ።</verse>
				<verse number="15">ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን።</verse>
				<verse number="16">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! እዝ ዅሉ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሐሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ሃብቲ፥ ካባኻ ዝመፀ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ናትካ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ኣብ ህዝብኻ ዘሎ ፅቡቕ ድልየት ንዘለኣለም ሓሉ፤ ልባቶምውን ናባኻ ኣቕንዕ።</verse>
				<verse number="19">ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ዳዊት ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ እስራኤል “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣመስግንዎ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣመስገንዎ። ድንን ድማ በሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ሰገዱ።</verse>
				<verse number="21">ንፅባሒቱ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቕረቡ፦ ሽሕ ብዕራይ፥ ሽሕ ማጕላ፥ ሽሕ ጡበት፥ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፥ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል ሰውኡ።</verse>
				<verse number="22">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክበልዑን ክሰትዩን እንተለዉ የመና ተሓጕሶም ነበሩ። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሰሎሞን ንጉስ ክኸውን ሳዶቅውን ካህን ክኸውን ቀብእዎም።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኮይኑ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ዙፋን ተቐመጠ፤ ሰመረሉውን፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ይእዘዝዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ኵሎም ኣሕሉቕን ጀጋኑን፥ ደቂ ንጉስ ዳዊትውን እንተይተረፉ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ከም ዝግዝእዎ ኣረጋገፁሉ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።</verse>
				<verse number="26">ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="28">ዕድመን ሃብትን ክብረትን ፀጊቡ ኸዓ ብፅቡቕ ሽምግልና ሞተ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="30">ኣብዝ ታሪኽ እዙይ፥ ዳዊት ከመይ ገይሩ ኸም ዝገዝአን፥ ሓያል ከም ዝነበረን፥ እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያኡ ዝነበራ መንግስታት ዝበፅሖም ኵነታትን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="14">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞንውን ንዅሉ እስራኤል፥ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን ንፈረድትን፥ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን፥ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ዝሰርሖ፥ ናይ ኣምላኽ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ገባዖን ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞንን እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ናብኡ፥ ናብቲ ዀረብታ ኸዱ።</verse>
				<verse number="4">ግና ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ናብቲ ንሱ ዘዳለወሉ ቦታ ኣደዪብዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፥ ዝሰርሖ መሰውኢ ነሃስ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ መሕደሪ እግዚኣብሄር ኣብ ገባዖን ነበረ። ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር የምልኹ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ጥቓ ናይ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሽሕ ከፍቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተገለፀሉ፤ “ክህበካ እትደልዮ ጠይቐኒ” ድማ በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሰሎሞን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፤ ንኣይ ድማ ኽንድኡ ኣንገስካኒ።</verse>
				<verse number="9">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እቲ ነቦይ ዳዊት ዝሃብካዮ ተስፋ ሕዚ ፈፅሞ፤ ብዝሓቱ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="10">ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ነዝ ህዝቢ እዙይ ከመሓድሮ ምእንቲ ክኽእል ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥</verse>
				<verse number="12">ጥበብን ፍልጠትን ሂበካ ኣለኹ። ቅድሜኻ ንዝነበረ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፥ ብድሕሬኻ ዝለዓልውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን እውን ክህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ኣብ ገባዖን ዝነበረ ዀረብታ፥ ካብቲ መራኸቢ ድንኳን ተመሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ነገሰ።</verse>
				<verse number="14">ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብቲ ኸተማ ሰረገላታትን፥ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="15">እቲ ንጉስ ድማ ንወርቅን ብሩርን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ኸም ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ብዝሓቱ ኣብ ቆላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ግብፅን ካብ ቀዌን፥ በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ካብ ቀዌ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ ብኢዶም የምፅኡሎም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሰሎሞን ከዓ ቤት ንስም እግዚኣብሄር፥ ንመንግስቱ ድማ ቤት ክሰርሕ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞን ከዓ ፆር ዝፆሩ ሰብዓ ሽሕ፥ ኣብ እምባታት እምኒ ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ንኣኣቶም ዝሕልዉ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት መደበ።</verse>
				<verse number="3">ሰሎሞን ናብ ኪራም ንጉስ ጢሮስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ከምቲ ነቦይ ዳዊት፥ ቤት ክሰርሕ እንተሎ፥ ኣእዋም ዝግባ ዝለኣኽካሉ፥ ንኣይውን ከምኡ ግበረለይ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ።</verse>
				<verse number="6">ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ፥ ንእኡ ቤት ክሰርሕ መን ይኽእል? ኣነኸ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዓጥነላ እንተ ዘይኮይኑስ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐሉስ ኣነ መን እየ?</verse>
				<verse number="7">ሕዚ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን፥ ብሓምራይን ውፁእ ቀይሕን ሰማያውን ዓለባ ኽሰርሕ ጥበብ ዘለዎ፥ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኮይኑ፥ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ምቕራፅ ዝፈልጥ ሰብ ስደደለይ።</verse>
				<verse number="8">“ሓሻኽርካ ምፅራብ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ እሞ፥ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ዝግባን ፅሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ሓሻኽረይ ምስ ሓሻኽርካ ኽሰርሑ እዮም።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣነ ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ከዓ ዓቢይን ዘደንቕን ክኸውን እዩ እሞ፥ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ኸዓ፥ ነቶም ኣእዋም ዝቘርፁ ሓሻኽርካ፥ ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስርናይን ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስገምን፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ወይንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ዘይትን ክህብ እየ።”</verse>
				<verse number="11">ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ንሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ መልሲ ሰደደሉ፦ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።”</verse>
				<verse number="12">ኪራም ድማ ቐፂሉ ኸምዙይ በለ፦ “ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤተ መቕደስን ንባዕሉ ዝኸውን ቤተ መንግስትን ዝሰርሕ፥ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ፥ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።</verse>
				<verse number="13">“ሕዚ ድማ ኪራምኣቢ ዝበሃል ብልህን መስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኻብ ነገድ ዳን ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወለደ እዩ፤ ኣቦኡ ኸዓ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ብስራሕ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ሓፂንን እምንን ዕንፀይትን ዝተፈለጠ እዩ። ከምኡውን ብሓምራውን ሰማያውን ቀይሕ ውፁእ ዝኾነ ዓለባን ብሃርን ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፤ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ድማ ምቕራፅ ዝፈልጥ እዩ። ኵሉ ዓይነት ናይ ብልሓት ስራሕውን ዝሃብካዮ ኽሰርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብልህታትን ምስቶም ምስ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ዝነበሩ ብልህታትን ኮይኑ ይስራሕ።</verse>
				<verse number="15">“እምበኣር፥ ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ስደደልና።</verse>
				<verse number="16">ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”</verse>
				<verse number="17">ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም መፃእተኛታት ሰብኡት ቈፀሮም። ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ቕድምዙይ ከምኡ ገይሩ ቘፂርዎም ነበረ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ።</verse>
				<verse number="18">ካብኣቶም ከዓ ሰብዓ ሽሕ ዝፆሩ፥ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ እምባታት ኮይኖም እምኒ ዝወቕሩ፥ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከዓ ነቲ ህዝቢ ዘስርሕዎ ሓለውቲ መደበ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ እምባ ሞሪያ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት ዝተርአየላ፥ ዳዊት ከዓ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፥ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ።</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ብኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤት እግዚኣብሄር፥ ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸዓ፥ ምንዋሑ ኸም መጠን ምግፋሕ እቲ ቤት፥ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ቁመቱ ድማ ሓምሳን ኣርባዕተን ሜትር ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸዓ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ድማ ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ፤ ንእኡውን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ምስሊ ስየታትን ሰንሰለታትን ስኢሉ ኣጌፆ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብኽቡር ኣእማንን ካብ ፈርዋይም ብዝመፀ ወርቅን ገይሩ ሸለሞ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሰረገላታትን ልዳውትን መናድቕን መዓፁን፥ ብወርቂ ለበጦ፤ ምስሊ ኪሩቤል ድማ ቐረፀሉ።</verse>
				<verse number="8">እታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ ምንዋሓ ኸም ምግፋሕ እቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሓ ድማ ትሽዓተ ሜትር ገይሩ ሰርሓ፤ ብዕስራ ሽሕ ኪሎ ግራም ዝኣክል ፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጣ።</verse>
				<verse number="9">ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ግራም ወርቂ ዝወድአ ሽንካራት ከዓ ገበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።</verse>
				<verse number="10">ኣብታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ እቶም ወቐርቲ፥ ምስሊ ኽልተ ኪሩቤል ገበሩ፤ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም።</verse>
				<verse number="11">ምንዋሕ ሓደ ኽንፊ ናይ ሓደ ኪሩቤል ክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ንኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ይነክእ ነበረ። ሓደ ኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ድማ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ስለዙይ ናይ ክልቲኦም ኪሩቤል ኣኽናፍ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ካብ መንደቕ ናብ መንደቕ ከዓ ይበፅሕ ነበረ። በእጋሮም ደው ኢሎም ነበሩ፤ ገፆምውን ናብ ቤት ኣቢሉ ይርኢ ነበረ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ሃርን ልሕፂ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፤ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ጠለፈሉ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ዓዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቱ፥ ክልተ ኣዕምዲ ሰርሐ። ኣብ ረርእሰን ከዓ ኸክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝምንዋሑ ጕልላት ገበረለን።</verse>
				<verse number="16">ንጫፍ እቲ ጕልላት ከዓ ብሰንሰለትን ብሚእቲ ሮማንን ገይሩ ኣጌፆ።</verse>
				<verse number="17">ነተን ኣዕምዲ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ፥ ንሓንቲ ብወገን የማን፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ብወገን ፀጋም ኣቖመን። ነታ የማነይቲ ዓምዲ ያቁም፥ ነታ ፀጋመይቲ ኸዓ በለዝ ኢሉ ስም ኣውፅአለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="2">ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝቑመቱ፥ ኣርባዕተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝሰንጣቒቱ፥ ዙርያኡ ኸዓ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝኾነ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ስድሪ ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕን፥ ከም ዕምበባ ሱፍን ነበረ። ስሳ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ዝሕዝ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ዓሰርተ ጋብላታት ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ብወገን የማን፥ ሓሙሽተ ብወገን ፀጋም ከዓ ኣንበሮ። ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ኣብኡ ይሓፅብዎ ነበሩ። በቲ ኣብ መዕቘሪ ማይ ዘሎ ማይ ግና እቶም ካህናት ይሕፀቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ብወርቂ ገይሩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዲል ገበረ። ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣንበሮም።</verse>
				<verse number="8">ብወርቂ ገይሩ ዓሰርተ ሰደቓ ሰርሐ፤ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ከዓ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣቖሞ፤ ሚእቲ ጭሐሎ ወርቂውን ገበረ።</verse>
				<verse number="9">ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ መዕቘሪ ማይ ድማ ብደቡብ ምብራቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="11">ኪራም ከዓ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="12">ክልተ ኣዕምዲ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕምዲ ኸዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ጕልላት ዘጊፃ ድማ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="13">ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዘውሪ ሮማን) ገበረ።</verse>
				<verse number="14">መቐመጢታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢታት ዝቕመጡ ናይ መሕፀቢ ኵስኵስትታትን፥</verse>
				<verse number="15">ንሓደ ባሕሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ሰርሐ።</verse>
				<verse number="16">ድስትታትን መፅሓሪታትን ሻኳታትን ንእኡ ዝመስል ካልእ ኣቑሑን ሰርሐ። ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንጎ ሱኮትን ፅሬዳን፥ ኣብ ዝርከብ መፍሰሲ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="18">ሰሎሞን ዝሰርሖ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ፥ ክምዘን ኣይተኽኣለን።</verse>
				<verse number="19">ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥</verse>
				<verse number="20">ከም ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበርሃ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሓ ቐወምቲ መቕረዛት መምስ ቀንዲለን ገበረ።</verse>
				<verse number="21">ብምሉኡ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዕምበባታትን ቀናዲል መንቀርቀርን ገበረ።</verse>
				<verse number="22">ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">በዝ ኸምዙይ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ስራሕ ተፈፀመ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዘወፈዮ፥ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዅሉ ኣቑሑን ኣምፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን እቶም ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን ከደይብዎ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዝኸብር በዓል ናብ ንጉስ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ ተኣከቡ ኸዓ፥ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ዘይቚፀራን ዘይግመታን ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ ነቲ ታቦት ምስ መፃውራቱ ኻብ ላዕሊ ጋረድዎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ መፃውራት ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት፥ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ቃል ኪዳን ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፥ እንትርፊ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዘቐመጠን ክልተ ፅላት ካልእ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="11">እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ወፁ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኻህናት ከዓ ናይ ኣየንኡ ኽፍሊ ምዃኖም እንተይተፀበዩ ተቐዲሶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም እቶም መዘምራን ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ፥ ኣሳፍ፥ ኤማን፥ ኤዶታም፥ ከምኡውን ደቆምን ኣሕዋቶምን ብፅሩይ ሃሪ ዝተኣልመ ኽዳን ለቢሶም፥ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን እናወቕዑ፥ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው ኢሎም ነበሩ። መለኸት ዝነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናትውን ምስኣቶም ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ሽዑ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ።</verse>
				<verse number="14">ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ሽዑ ሰሎሞን “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት እነብር እየ” በልካ።</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ግና፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ መሕደሪ ቤት ሰራሕኹልካ” በለ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ ድማ ገፁ መሊሱ ነቶም ኵሎም ኣብኡ ተኣኪቦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል መረቖም።</verse>
				<verse number="4">ንሱውን፦ “እቲ ነቦይ ዳዊት ብኣፉ ዝተናገረ ብኢዱውን ዝፈፀመ፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን፤</verse>
				<verse number="5">‘ንሱ ኻብታ ንህዝበይ ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ፥ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝፅውዐሉ ቤት፥ ዝስርሐሉ ኸተማ ኣይመረፅኩን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ዝኸውን ሰብውን ኣይመረፅኩን።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና፥ ስመይ ኣብኣ ኽፅዋዕ ንኢየሩሳሌም መሪፀያ ኣለኹ፤ ንዳዊት ድማ ንህዝበይ እስራኤል ክመርሕ ሓርየዮ ኣለኹ’ ኢሉ እዩሞ።</verse>
				<verse number="7">“ኣቦይ ዳዊት ከዓ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት፦ ‘ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ሓሲብካ ስለ ዝነበርካ ፅቡቕ ገበርካ።</verse>
				<verse number="9">ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤት ዝሰርሐለይ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን ቤት እትሰርሐለይ’ በሎ።</verse>
				<verse number="10">“እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ፈፀሞ፤ እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ነጊሰ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ። ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤት ሰሪሐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዝሓዘት ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ክፅሊ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሐ።</verse>
				<verse number="13">ሰሎሞን ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምንዋሑ፥ ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምግፋሑ፥ ሓደ ሜትርን ሰላሳን ሰንቲ ሜትር ዝምብራኹ መድረኽ ብነሃስ ሰሪሑ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ዓፀድ ከዓ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፤ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ማሕበር እስራኤል ከዓ ተምበርኪኹ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ።</verse>
				<verse number="14">ከምዙይ ኢሉ ድማ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ዝነብሩ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ፤ ኣብ ምድሪ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የለን።</verse>
				<verse number="15">እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዘተስፈኻዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብቓልካ ዝተናገርካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።</verse>
				<verse number="16">“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብሕገይ ንኽኸዱ፥ ኣካይዳኦም እንተ ሓልዮም፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣይሰኣንን እዩ’ ኢልካ ዝሃብካዮ ተስፋ ሓልዎ።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ ድማ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! እቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ተስፋ ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="18">“ግና፥ ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ? እንሆ፥ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይኽእሉን። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኸመይ ትንእስ?</verse>
				<verse number="19">ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! ናብ ፀሎት ባርያኻን ልመናኡን ኣቕልብ፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ።</verse>
				<verse number="20">ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስምዓዮ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።</verse>
				<verse number="22">“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ፥ ሓቁ ምእንቲ ኽፍለጥ ከዓ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኽምሕል እንተ መፀ፥</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="24">“ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ብፀላኢ እንተ ተስዓሩ፥ እሞ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብዛ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።</verse>
				<verse number="26">“ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናም ከዓ እንተ ዘይዘነመ እሞ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ፀለዩ፥ ንስምካ እውን እንተ ኣኽበሩ፥ ስለ ዝቐፃዕኻዮም ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸድዋ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፤ ሓጢኣት ባሮትካ ህዝቢ እስራኤል ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።</verse>
				<verse number="28">“ኣብ ሃገር፥ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ፌራ እንተ ኾነ፥ ሕሞድያ ወይ ሃጕ፥ ኣንበጣ ወይ ኵብኵብታ እንተ መፀ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀ፥</verse>
				<verse number="29">እሞ ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማሙን ጓሂኡን ፈሊጡ፥ ብፀሎትን ምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረውን በል፤ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኸኽብሩኻን ክእዘዙኻን፥ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ልቡ ፈሊጥካ፥ ከከም መንገዱ ሃቦ።</verse>
				<verse number="31"></verse>
				<verse number="32">“ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና፥ ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ብርቱዕ ሓይልኻን፥ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ሰሚዑ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መፀ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸዓ እንተ ፀለየ፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪኻ ኣብ ሰማይ ስማዕ።</verse>
				<verse number="33">ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="34">“ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም፥ እሞ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥</verse>
				<verse number="35">ሽዑ ንስኻ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም።</verse>
				<verse number="36">“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም፥ እሞ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥</verse>
				<verse number="37">ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥</verse>
				<verse number="38">ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥</verse>
				<verse number="39">ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብቲ ዘለኻዮ፥ ንፀሎቶምን ንምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍረደሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ በደሎም ይቕረ በለሎም።</verse>
				<verse number="40">“ሕዚ ኸዓ ኦ ኣምላኸይ! ኣዒንትኻ ናባና ዝጥምታ፥ ኣእዛንካውን ዘዳምፃ ክኾና እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="41">“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተስእ! ንስኻን ታቦት ሓይልኻን፥ ነዓ ናብ መዕረፊኻ ተስእ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ካህናትካ ድሕነት ይልበሱ፤ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="42">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንገፅ ቅቡእኻ ንድሕሪት ኣይትመልስ፤ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ምሕረት ዘክር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።</verse>
				<verse number="2">ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤተ መቕደስ ስለ ዝመልአ ኸዓ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ሓዊ ኽወርድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ምስ ረአዩ፥ ኣብታ ብእምኒ ዝተነፀፈት ቦታ ብገፆም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፤ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ብሓቂ ንሱ ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዙይ ድማ እቲ ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝተመደበሎም ቆይሞም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ በቲ ንጉስ ዳዊት ዘዳለዎ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ድማ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብኡ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ኣብ መንፅር እቶም ሌዋውያን ኮይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእኸላይ ዓፀድ ቀደሶ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ እኽሊ ቝርባን ስብሑንውን ምሓዝ ኣይከኣለንሞ፥ ስብሒ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="8">በቲ ጊዜ እቱይ ሰሎሞን ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብታ ንሃማት እተእቱ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ካብ ወሰን ግብፂ ዝመፁ ህዝቢ ኾይኖም ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።</verse>
				<verse number="9">ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ቐዲሶም ሸውዓተ መዓልቲ እውን በዓል ገይሮም ነበሩሞ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝተቀደሰ ጉባኤ ገበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ነናብ ድንኳናቶም ሰደዶም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ሕጉሳትን ፍሱሓትን ኮይኖም ከዱ።</verse>
				<verse number="11">ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስቱን ሰሪሑ ፈፀመ፤ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤትን፥ ከምቲ ዅሉ ኽሰርሖ ብልቡ ዝሓሰቦ ኣከናወነ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገለፀሉ እሞ ኸምዙይ በሎ፦ “ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣውን ነኣይ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ሓርየያ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">“ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓፀኽዎ፤ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፥ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥</verse>
				<verse number="14">እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">“ንስኻ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ገበርካ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ ሕግጋተይን ስርዓታተይን ብምሕላው እንተ ነበርካ፥</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ነቦኻ ዳዊት፥ ኣብ እስራኤል ሓለቓ ዝኸውን ሰብ ካብ ዘርእኻ ኣይሰኣንን ኢለ ቓል ኪዳን ዝኣተኹሉ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኸፅንዖ እየ።</verse>
				<verse number="19">“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኻብዛ ነቦታትኩም ዝሃብኩዎም ምድሪ ኽነቕለኩም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከዓ፥ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ድማ መመሰልን መሳለቕን ክገብራ እየ።</verse>
				<verse number="21">ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም።</verse>
				<verse number="22">እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ባዕሉ ቤትን ዝሰርሐለን ዕስራ ዓመታት ምስ ተወድኣ፥</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞን ነተን ኪራም ዝሃቦ ኸተማታት ሰርሐን፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኣተን ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="3">ሰሎሞን ከዓ ናብ ምድሪ ሓማትሱባ ኸደ፤ ኣሰነፋውን።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኸተማ ታድሞርን ንዅለን እተን ኣብ ሓማት ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን ሰርሐን።</verse>
				<verse number="5">ንላዕለዋይ ንቤትሖሮን ንታሕተዋይ ቤትሖሮን መካበብያታትን መዓፁን መሸጐሪታትን ዘለወን ዝተዓረዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን።</verse>
				<verse number="6">ንኸተማ በዓላትን ንዅለን እተን ናይ ሰሎሞን ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን፥ ኵለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን፥ ከም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለዮ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="7">ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሓዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ ኻብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ዅሎም ህዝቢ፥</verse>
				<verse number="8">ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ገባራት ገይሩ ግዙኣት ገበሮም።</verse>
				<verse number="9">ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="10">ካብዚኣቶምውን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ዝነበሮም ናይ ንጉስ ሰሎሞን ዋናታት ኣሕሉቕ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ሰሎሞን “ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፥ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ እዩ እሞ፥ ሰበይተይ ኣብኡ ኽትነብር ኣይግብኣን እዩ” ስለ ዝበለ፥ ንጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ኣውፂኡ ናብታ ዝሰርሐላ ቤት ኣደየባ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝሰርሖ መሰውኢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበሉ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸም ስርዓቶም በብመዓልትን በብሰናብትን በብሰርቂ ወርሕን፥ በተን ኣብ ዓመት ሓድሓደ ጊዜ ዝውዕላ ምዱባት ሰለስተ በዓላትን፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን ይስውእ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ካልእ ስራሕን ዝኣዘዞም ሓለውዎ።</verse>
				<verse number="16">ከምዙይ ኢሉ ዅሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ምስራት ክሳዕ ምፍፃም ተዳለወ፤ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተፈፀመት።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ናብ ዘለዋ ዔፅዮንጋብርን ኤላትን ዝበሃላ ወደባት ከደ።</verse>
				<verse number="18">ኪራም ድማ ብሓሻኽሩ ገይሩ መራኽብን ባሕረኛታት ሓሻኽርን ሰደደሉ፤ ንሳቶምውን ምስ ሓሻኽር ሰሎሞን ናብ ኦፊር ከዱ። ካብኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምፅኡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ንግስተ ሳባ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ፥ ብዙሕ ሽቱን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝተፅዓና ኣግማል ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም መፀት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፥ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="2">ሰሎሞን ከዓ ነቲ ዅሉ ዝጠየቐቶ ገለፀላ፤ ክገልፀላ ዘይከኣለ ነገር ድማ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="3">ንግስተ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን፥</verse>
				<verse number="4">መብልዕ ማእዱን፥ ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቀዋውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን፥ ኣሰለፍቲ ወይኑን ኣከዳድናኦምን፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘዕርጎ መስዋዕትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።</verse>
				<verse number="5">ንንጉስ ከዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="6">መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፥ ነቲ ዘረባኣቶም ኣይኣመንክዎን፤ እንሆ ኸዓ፥ ፍርቂ ዕቤት ጥበብካ እኳ ኣይነገሩንን። ንስኻስ ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ትበልፅ ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">እዞም ሰብካን፥ እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሞም ጥበብካ ዝሰምዑ ሓሻኽርካን፥ ክንደይ ዕድለኛታት እዮም!</verse>
				<verse number="8">እቲ ብስሙ ኽትገዝእ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዘቐመጠካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቡሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘለኣለም ከበርትዖ ስለ ዝደለየ፥ ፍርድን ፅድቅን ምእንቲ ክትገብር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ኣንገሰካ።”</verse>
				<verse number="9">ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ሽቱን ክቡር ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስተ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ሽቱ፥ ከቶ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="10">እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኡ ሓሻኽር ኪራምን ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡር ዕንቊን ከዓ የምፅኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፥ ንመዘምራን ዝኸውን ከዓ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለ ኸዓ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድሚኡ ተርእዩ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ሰሎሞን ንንግስተ ሳባ ኻብ እቲ ዅሉ ናብኡ ዘምፅአትሉ፥ ዝበልፅ፥ ኵሉ ዘፈተወቶን ኵሉ ኻብኡ ዝለመነቶውን ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ሓሻኽራ ናብ ሃገራ ኸደት።</verse>
				<verse number="13">ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዘምፅእዎ ዝነበሩ፥ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዝኣትዎ ዝነበረ ወርቂ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሎም ነገስታት ዓረብን ሹመኛታት ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምፅኡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ኣስታት ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ።</verse>
				<verse number="16">ብቕጥቁጥ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽተይ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ድማ ኣስታት ሰለስተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትበሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ሰርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ምስሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ዙፋን ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ተርእዩ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ዝነበረ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ኣይቝፀርን ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ፤ ንሳተን ከዓ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓደሻዕ ይመፃ ነበራ።</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ በለፀ።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ገፅ ሰሎሞንውን ክሪኡ ይምነዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም ከዓ ነፍሲ ወከፎም ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ዓመት ገፀ በረኸት የምፅኡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣስርሐ፤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ሰረገላታት ዝቕመጥዎ ኸተማታት ኣቐመጦም።</verse>
				<verse number="26">ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ከም ዝበዝሕ ገበሮ፥ ብዝሒ ዝግባውን ኣብ ቈላ ኸም ዝበቊል ሳግላ ገበሮ።</verse>
				<verse number="28">ንሰሎሞን ካብ ግብፅን ካብ ኵለን ሃገራትን ኣፍራስ የምፅኡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ታሪኽ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን ኣብ ታሪኽ ነቢይ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣኪያ በዓል ሴሎን ኣብ ራእይ ኣዶ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ራእይ ኣዶ ብዛዕባ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥውን ዝዛረብ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="31">ሰሎሞን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኵሎም እስራኤል ከንግስዎ ናብ ሴኬም መፂኦም ነበሩሞ ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤</verse>
				<verse number="2">ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ናብ ግብፂ ኸይዱ ነበረሞ፥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ኢዮርብዓም ካብ ግብፂ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="3">ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥</verse>
				<verse number="4">“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣሸከመና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዘሸከመና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ድማ፦ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሕያዋይ እንተ ኾንካሎም፥ እንተ ለዋህኻሎም፥ ጥዑም ዘረባውን እንተ ኣስማዕኻዮም፥ ንሓዋሩ ሓሻኽር ኮይኖም ከገልግሉኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይ ተማኸረ።</verse>
				<verse number="9">“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዘሸከመና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም መተዓብይቱ ዝኾኑ መናእሰይ ከዓ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፥ ንስኻ ግና ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ፥ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም፥ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣትሪሩ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="14">“ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ኣሸከመኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="15">ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኽፍፅሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ እቲ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፥ እቶም ህዝቢ፦ “ምስ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን፤ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል! ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም ንንጉስ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ከዱ።</verse>
				<verse number="17">ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።</verse>
				<verse number="18">ንጉስ ሮብዓም ነቲ ኣገባሪ ዝነበረ ኣዶኒራም፥ ናብ እስራኤላውያን ሰደዶ። ደቂ እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ግና ናብ ሰረገላኡ ብቕልጡፍ ደዪቡ ናብ ኢየሩሳሌም ሃዲሙ ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="19">ህዝቢ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ፥ በዝ ኸምዙይ ዓሚፆም ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መፀ፥ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብኡ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።</verse>
				<verse number="2">ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦</verse>
				<verse number="3">“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ።” ንሳቶም ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ሰሚዖም፥ ንኢዮርብዓም ክወግኡ ኻብ ምኻድ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="5">ሮብዓም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ኸተማታት ከዓ ዓረደን፦</verse>
				<verse number="6">ንሳተንውን ቤተ ልሔምን፥ ኤጣምን፥ ቴቁሔን፥</verse>
				<verse number="7">ቤትፁርን፥ ሶኮን፥ ኣዶላምን፥</verse>
				<verse number="8">ጌትን፥ መሪሳን፥ ዚፍን፥</verse>
				<verse number="9">ኣዳራይምን፥ ለኪሶንን፥ ዓዜቃን፥</verse>
				<verse number="10">ፆርዓን፥ ኤሎንን፥ ኬብሮንን እየን።</verse>
				<verse number="11">ንዕርድታት እዘን ከተማታት እዚኣተንውን ኣጠናኸሮ፤ ኣዘዝቲ ኸዓ ገበረለን። ስንቂ ዝኸውን እኽልን ዘይትን ወይንን ድማ ኣብኣተን ኣከበ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ኵለን ከተማታትውን ዋላቱን ኲናታትን ኣቐመጠለን፤ የመና ድማ ኣጠናኸረን። በዝ ኸምዙይ ከዓ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኾና።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣብ ኵሉ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኵሉ ዓድታቶም ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ሌዋውያን፥ ካህናት እግዚኣብሄር ኮይኖም ከየገልግሉ፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ኣልቂቖምዎም ነበሩሞ፥ ሌዋውያን መዋፈሪኦምን፥ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እንተይተረፈ እናሓደጉ ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን መፁ።</verse>
				<verse number="15">ኢዮርብዓም ግና ንዀረብታታት መስገዲታትን ንኣጋንንቱን ንዝሰርሖም ምራኹትን ዘገልግሉ ኻህናት ኣቖመ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ልቦም ዝሃቡ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ምእንቲ ኽስውኡሉ፥ ንሌዋውያን ተኸቲሎም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ።</verse>
				<verse number="17">ሰለስተ ዓመትውን ብመንገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩሞ፥ ሰለስተ ዓመት ንመንግስቲ ይሁዳ ኣበርትዑ፤ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞንውን ኣፅንዕዎ።</verse>
				<verse number="18">ሮብዓም ንመሓላት ኣእተዋ፤ ንሳ ጓል ኢያሪሙት ወዲ ዳዊት ነበረት። እኖኣ ኸዓ ኣቢካኢል ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ ነበረት።</verse>
				<verse number="19">ንሳ ድማ፥ የዑስን ሰማራያን ዘሃምን ዝበሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="20">ብድሕሪኣ ኸዓ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ድማ ንኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሰሎሚትን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="21">ሮብዓም ከዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፤ ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣጓላትን ድማ ወሊዱ ነበረ፤ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ግና ሕልፊ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ይፈትዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ሮብኣም ከዓ ነቲ ኻብ መዓካ ዝወለዶ ኣብያ ዝበሃል ወዱ ኸንግሶ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሸሞ።</verse>
				<verse number="23">ብምስትውዓል ድማ ንዅሎም ደቁ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን ብንያምን፥ ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታትን ሓለፍቲ ገይሩ ኣቐመጦም፤ ብዙሕ ምግቢ ድማ ሃቦም ብዙሓት ኣንስቲ እውን ደለየሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ፀንዐትን፥ ንሱውን ምስ በርትዐን፥ ንሱን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ሕጊ እግዚኣብሄር ሓደጉ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ ድማ ንጉስ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ደየበ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ግብፂ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን ኣኽተተ። ቍፅሪ ዘይብሎም ህዝቢ ድማ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፥ ምስኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ።</verse>
				<verse number="5">ነቢይ ሸማያ ኸዓ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺሻቅ ሃዲሞም ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከቡ ኣሕሉቕ ይሁዳን መፂኡ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩም ሓደግኩምኒ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓደግኩኹም’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤልን እቲ ንጉስን “እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ” ኢሎም ሰብነቶም ኣዋረዱ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄርውን ሰብነቶም ከም ዘዋረዱ ምስ ረአየ፥ ንሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ “ርእሶም ኣዋሪዶም እዮም እሞ ኣየጥፍኦምን እየ፤ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ እውን ከድሕኖም እየ። ናህሪ ቝጥዐይ ከዓ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኣይፈስስን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ግና ነኣይ ምግዛእን ንነገስታት ምድሪ ምግዛእን ምእንቲ ኽፈልጡ ክግዝኡሉ እዮም።”</verse>
				<verse number="9">ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ፤ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="10">ንጉስ ሮብዓም ግና ኽንድኡ ዋላቱ ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸዓ ኣንበሮም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ እቶም ሓለውቲ ነቲ ዋላቱ ይፆርዎ ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ይመልስዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ሮብዓም ርእሱ ስለ ዘዋረደ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ፈፂሙ እንተየጥፍኦ ኻብኡ ተመለሰ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ፅቡቕ ነገር ኮነ።</verse>
				<verse number="13">ሮብዓም ክነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ብርቱዕ ንጉስ ኮነ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኸንብረላ፥ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትበሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ግና ንእግዚኣብሄር ኽደሊ፥ ልቡ ኣየዳለወን ነበረሞ ኽፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ እቲ ሮብዓም ዝገበሮ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ ታሪኽ ናይ ነቢይ ሸማያን፥ ኣብቲ በዓል ራእይ ኣዶን፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ድማ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣብያ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ንጉስ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ሚካያ እትበሃል ጓል ኡሪኤል በዓል ገባዖን ነበረት። ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ከዓ ውግእ ኮነ።</verse>
				<verse number="3">ኣብያ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ምሩፃት ተዋጋእቲ ሒዙ ተሰለፈ። ኢዮርብዓም ከዓ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ሒዙ ምስኡ ኽገጥም ተሰለፈ።</verse>
				<verse number="4">ኣብያ ኸዓ ኣብ እምባ ኤፍሬም ኣብ ዘላ ዀረብታ ፅማራይም ኮይኑ ንኢዮርብዓምን ንሰራዊት እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኢዮርብኣምን ኵልኹም እስራኤልን ስምዑኒ፥</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="6">ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ሓሽከር ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና ተሲኡ ኣብ ጐይታኡ ዓመፀ።</verse>
				<verse number="7">ክፉኣትን ዘይረብሑ ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሳቶም ከዓ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ድማ ለግለግ መንእሰይ ስለ ዝነበረ ኽምክቶም ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር ዝኾኑ፥ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን ኣይሰጐጕኩምዎምንዶ? ኸም ልማድ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ባዕልኻትኩምዶ ካህናት ኣይገበርኩምን? ኵሉ ንባዕሉ ኽቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዙ ዝመፀ ነቶም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ካህን ይኸውን።</verse>
				<verse number="10">“ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም መገልገልቲ እግዚኣብሄር ኻብ ደቂ ኣሮን ካህናቱን ሌዋውያኑንውን፤ ብስራሖም ምሳና እዮም።</verse>
				<verse number="11">ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።”</verse>
				<verse number="13">ኢዮርብዓም ግና ብድሕሪት ይሁዳ ሕቡእ ሰራዊት ኣዳልዩ ነበረ። ንሱን እቶም ዝተረፉ ሰራዊቱን ግና ኣብ መረኣእይቲ ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ይሁዳ ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብድሕሪትን ብቕድሚትን ነበረ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ።</verse>
				<verse number="15">ሰብ ይሁዳ ምስ ኣእወዩ፥ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮርብዓምን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም።</verse>
				<verse number="16">ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="17">ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ።</verse>
				<verse number="18">በዝ ኸምዙይ ህዝቢ እስራኤል ተዋረዱ፤ ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብያ ድማ ንኢዮርብዓም ኣሳጐጎ፤ ንኸተማታት ቤቴልን ይሻናንን ዔፍሮንን መምስ ቍሸታተን ወሰደ።</verse>
				<verse number="20">ኢዮርብዓም፥ በቲ ኣብያ ነጊሱሉ ዝነበረ ጊዜ፥ ስልጣኑ ኸጠናኽር ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሄር ስለ ዝቐሰፎ ሞተ።</verse>
				<verse number="21">ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣጓላትን ድማ ወለደ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽ፥ ዝበሎን ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኣዶ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ኸዓ እታ ሃገር ንዓሰርተ ዓመት ሰላም ረኸበት።</verse>
				<verse number="2">ኣሳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ዝኾነ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ናይ ባዕዳን ኣማልክቲ መሰውኢታትን ነቲ ኣብ ኰረብታታት ዝነበረ መምለኺ ጣዖትን ኣፍረሶ፤ ነቲ ዘምልኹሉ ሓውልቲውን ሰባበሮ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን ቈረፆ።</verse>
				<verse number="4">ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ክደልዩን፥ ሕጉን ትእዛዛቱንውን ክሕልዉን ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፥ በተን ዓመታት እቲኣተን ውግእ ኣይነበረን፤ ነተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዕርዲ ሰርሐለን።</verse>
				<verse number="7">ኣሳ ኸዓ ንህዝቢ ይሁዳ “ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝፈፀምና፥ እዛ ሃገር ሕዚ እውን ናትና እያ። እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ። ስለዙይ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ቅፅርን ግምብታትን ዝዕፆን ዝሽጐርን በሪ ሰሪሕና ንዓርደን” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰርሑ፤ ፈፀሙውን።</verse>
				<verse number="8">ኣሳ ኸዓ ሰብ ኲናትን ዋልታን ካብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፤ ካብ ብንያምውን ዋልታ ዝሕዙን ፍላፃ ዝውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሰባት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵላቶም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኢትዮጵያዊ ዝሪ ድማ፥ ሓደ ሚልዮን ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኽዋግኦም ናብ መሪሳ ወፀ።</verse>
				<verse number="10">ኣሳውን ክጋጠሞ ወፀ እሞ፥ ኣብቲ ለሰ ፅፋታ ናይ ማሬሻ ንውግእ ተሰለፉ።</verse>
				<verse number="11">ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከዓ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ወቕዖም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="13">ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ኽሳዕ ጌራራ ኣሳጐጕዎም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ብእግዚኣብሄርን ብሰራዊቱን ተደምሰሱ እሞ ኻብኣቶም ሓደ እንተይተረፈ ሞቱ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ነተን ኣብ ዙርያ ጌራራ ዘለዋ ኸተማታት ራዕዲ ስለ ዝሰደደለን ድማ ንዅለን ሰዓርወን። ኣብኣተን ከዓ ብዙሕ ምርኮ ስለ ዝነበረ ንዅለን ዘመትወን።</verse>
				<verse number="15">ደምበ ኸፍቲ እናፍረሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣባጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ መፀ።</verse>
				<verse number="2">ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ።</verse>
				<verse number="3">ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="5">በቲ ዘመን እቱይ ንዝወፅእን ንዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ዓብዪ ራዕዲ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ብመከራ የጨንቖም ነበረሞ፥ ሓንቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ሃገር፥ ሓንቲ ኸተማ ድማ ምስ ሓንቲ ኸተማ ትዋጋእ ነበረት።</verse>
				<verse number="7">ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”</verse>
				<verse number="8">ንጉስ ኣሳ ድማ እዝ ቓላት እዙይን እቲ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ ዝበሎን ምስ ሰምዐ፥ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ዝባውንቲ ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን፥ ንዅሉ ዘፀይፍ ነገር ኣወገደ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሐደሶ።</verse>
				<verse number="9">ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መፂኦም ምስኣቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም፤ እዚኣቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኣሳ ኸም ዘሎ ሪኦም፥ ካብ እስራኤል መፂኦም ናብኡ ዝተፀግዑ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም፥ ኣሳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኻብቲ ዘምፅእዎ ምርኮ ሸውዓተ ሚእቲ ኣብዑርን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።</verse>
				<verse number="12">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ከምልኽዎ ኸዓ ቓል ኪዳን ኣተዉ።</verse>
				<verse number="13">ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘየምልኽ ኵሉ ብሞት ክቕፃዕ መሓሉ።</verse>
				<verse number="14">ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ።</verse>
				<verse number="15">ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="16">ንጉስ ኣሳ ድማ ንመዓካ እኖኡ፥ ኣብቲ ኣፀድ ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ዝነበራ ናይ ንግስቲ ኽብረት ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖት ቈሪፁን ጨፍሊቑን ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣየወገዶን፤ ልቢ ኣሳ ግና ብምሉእ ዘመኑ ፍፁም ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኣቦኡን ንሱን ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ብሩርን ወርቅን ዝተፈላለዩ ኣቑሑን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="19">ኣሳ ኻብ ዝነግስ ክሳዕ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኣብቲ ሃገር ውግእ ኣይነበረን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመቱ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ወፀ፤ ናብ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኣሳ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ከይወፅእን ከዓ ንራማ ዓረዳ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፥ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ንወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ፤</verse>
				<verse number="3">“ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ቃል ኪዳን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻንውን ኪዳን ይሃሉ። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን እሰደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽወፅእስ፥ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” ኢሉ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ። ኣሕሉቕ ሰራዊቱውን ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ። ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልማይምን ንዅለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ወቕዕወን።</verse>
				<verse number="5">ባኦስ ንጉስ እስራኤል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓደገ፤ ነቲ ስራሕውን ኣቋረፆ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ኣኪቡ ነቲ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ንራማ ኽዕርደሉ ኢሉ ኣኪብዎ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሰደ፤ ብእኡ ገይሩውን ንጌባን ንሚፅጳን ዓረደን።</verse>
				<verse number="7">በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዝነበርዎም ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተኣማመንካ ግና፥ ንኣኣቶም ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ሃበካ።</verse>
				<verse number="9">ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ ድማ፥ ግብርታት ኣሳ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣሳ ኸዓ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፤ የመና ኸዓ ፀንዖ። ንሱ ግና ኽንዲ ናብ እግዚኣብሄር ዝልምን ናብ ሰብ መድሓኒት ከደ።</verse>
				<verse number="13">ኣሳ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደን ዓመት መንግስቱ ሞተ፤</verse>
				<verse number="14">ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሳ ኸዓ ኽንዲ ኣቦኡ ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንውን ሓይሉ ኣጠናኸረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓሻኽር፥ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ።</verse>
				<verse number="3">ኢዮሳፍጥ ድማ በተን ቀዳሞት ዓመታት ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝነበሮ ኸምኡ ስለ ዝነበረን፥ ንጣዖታት በዓልውን ስለ ዘየምለኸን፥ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ኣገልገለ፤ ብትእዛዛቱ ኸዓ ኸደ እምበር፥ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ኢዱ ኣፅንዓ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮሳፍጥ ገፀ በረኸት ሃቡዎ፤ ሃብትን ክብረትን ከዓ በዝሐሉ።</verse>
				<verse number="6">ልቡውን ብመንገዲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ፤ ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ዀረብታታትን ንምስሊ ጣዖት ኣስታሮትንውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ።</verse>
				<verse number="7">ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ኸዓ ንቤንሓይልን ኣብድያስን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚክያስ ንዝበሃሉ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኽምህሩ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="8">ምስኣቶም ድማ እቶም ሌዋውያን፥ ሸማያ፥ ነታንያ፥ ዝባድያ፥ ኣሳሄል፥ ሰሚራሞት፥ ዮናትን፥ ኣዶንያስ፥ ጦብያ፥ ጦባዶንያን ነበሩ። ምስኣቶምውን እቶም ካህናት ኤሊሳማን ኢዮራምን ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም፥ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ እናዞሩ፥ ነቲ ህዝቢ ይምህርዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ መንግስታት ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርሓት ስለ ዝወረደ ምስ ኢዮሳፍጥ ኣይተዋግኣን።</verse>
				<verse number="11">ገሊኣቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኢዮሳፍጥ ብሩርን ካልእ ውህብቶን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ዓረባውያን ድማ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ማጓሉ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን መኻኽቲ የምፅኡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኢዮሳፍጥ ከዓ የመና እናሓየለን እናገነነን ከደ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ስንቂ ዝእክበለን ከተማታትን ሰርሐ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ስንቂ ሰራዊት ኣከበ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓያላት ተዋጋእቲ ሰባት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="14">ቍፅሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከምዙይ ነበረ፦ ዓድና፥ ሓለቓ ናይቶም ካብ ይሁዳ ዝመፁ ሓሻኽር ነበረ፤ ኣብ ትሕቲኡ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ወታደራት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ትሕቲኡ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ኸዓ ይሆሓናን ነበረ፤ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="16">ብድሕሪኡ ሳልሳይ ዓማስያ ወዲ ዝክሪ ነበረ፤ ንሱ ድማ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ዓማስያ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ርእሱ ዝወፈየ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ነገድ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤሊዳሄ፥ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ትሕቲኡ ድማ ዮዛባት፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።</verse>
				<verse number="19">እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እዮም፤ ብዘይ ንሳቶም ከዓ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ናይ ይሁዳ ዘቐመጦም ወታደራት ንንጉስ የገልግሉ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኢዮሳፍጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ምስ ኣክኣብ ከዓ መውስቦ ገበረ።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ከዓ ንኣክኣብ ክሪኦ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ሓረደሎም። ምስኡውን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክኸይድ ሓባበሎ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል፥ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ እየ፤ ህዝበይ ከዓ ኸም ህዝብኻ እዩ፤ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="4">ኢዮሳፍጥ መሊሱ “ኣቐዲምካ ግና ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ነቢያት ኣኪቡ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይ ክንተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩሞ ደይብ” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥ ከዓ “ክንጥይቖ እንኽእል ካልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ።</verse>
				<verse number="7">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቐሉ እንኽእል ካልእ ሰብ እባ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ሚክያስ ወዲ ዪምላ እዩ። ግና ንሱ ንኣይ ኵልሻዕ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና “ኣይፋልካን ንጉስ፥ ከምኡ ኣይትበል” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቐልጢፍካ ኣምፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="9">ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንሚክያስ ኽፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ፥ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ኸምቲ ናታቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="14">ናብ ንጉስ ኣክኣብ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ሚክያስ! ንሬማት ዘገለዓድ ከይድናዶ ኽንወግኣ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ሚክያስ “ኪዱ ደኣ፥ ክቐንዐኩም እዩ፤ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ነቢይ ሚክያስ ከዓ “ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ እምባታት ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ ” በለ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ፥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩንዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽመውትስ፥ መን የጋግዮ?’ በለ፤ ሽዑ ሓደ ኸምዙይ በለ፤ ሓደ ድማ ኸምቱይ በለ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ።</verse>
				<verse number="21">“ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ።</verse>
				<verse number="22">“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ጥፍኣት ኣዚዙ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በቲ ጊዜ ውግእ ናብ ውሻጠ እትሕብአላ መዓልቲ ሽዑ ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብቲ ወዲ ንጉስ ኢዮኣስን ውሰድዎ።</verse>
				<verse number="26">‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።</verse>
				<verse number="27">ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኡ ደየቡ።</verse>
				<verse number="29">ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ኻልእ ሰብ መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ልበስ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ኻልእ ሰብ መሲሉ ናብ ውግእ ኣተወ።</verse>
				<verse number="30">ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም።</verse>
				<verse number="32">እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ንእኡ ኻብ ምስጓጕ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="33">ግና ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትረድ ኢሉ ፍላፃ ሰደደ እሞ፥ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ ተመለስ፤ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ሞተ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="2">ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ግና ንጣዖት ኣስታሮት ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካን፥ ንእግዚኣብሄር ክትስዕብ ልብኻ ስለ ዘዳለኻን፥ ፅቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ” ድማ በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ግና በብእዋኑ ኻብ ደቡብ፥ ማለት ካብ ቤርሳቤህ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰሜን፥ ክሳዕ ዝባውንቲ ኤፍሬም ናብ ማእኸል ህዝቢ እናወፀ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከም ዝምለሱ ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ሃገር ይሁዳ ድማ ፈረድቲ ሸመ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ፈረድቲ “ብዅሉ እትፈርድዎ ተጠንቀቑ፤ ክትፈርዱ እንተለኹም ምሳኻትኩም ንዘሎ ንእግዚኣብሄር ኢልኩም እምበር ንሰብ ኢልኩም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="7">እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ሕጊ እግዚኣብሄር ክጠሓስ እንተሎን፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ባእሲ ኽልዓል እንተሎን፥ ምእንቲ ኽፈርዱ፥ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሸመ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ይቕመጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “ከምኡ ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ብቕንዕናን ብፍፁም ልብን ግበሩ።</verse>
				<verse number="10">ካብቶም ኣብ ዝኾነ ኸተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ኣብ መንጎ ደምን ደምን፥ ኣብ መንጎ ሕግን ትእዛዝን፥ ስርዓትን ፍርድን፥ ነገር ናባኻትኩም እንተ መፀ፥ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ቍጥዓ ኸይመፅእ ኣጠንቅቕዎም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፥ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">“እንሆ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ብዝምልከት ኵሉ ነገር እቲ ሊቀ ካህናት ኣማርያ፥ ንንጉስ ብዝምልከት ኵሉ ነገር ከዓ እቲ ሓለቓ ነገድ ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ተሸይሞም ኣለዉ። እቶም ሌዋውያን ድማ መራሕቲ ኾይኖም የገልግሉኹም ኣለዉ። ፅኑዓት ኩኑ፤ ብዘይ ፍርሓት ስርሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባሪ ፅቡቕ ይኹን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪዙይ ደቂ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ምስኣቶም ድማ ገሊኣቶም ካብቶም መዑናውያን ንኢዮሳፍጥ ክዋግእዎ መፁ።</verse>
				<verse number="2">ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ካብ ማዕዶ ባሕሪ ጨው፥ ካብ ኤዶምያስ ብዙሕ ሰራዊት ይመፀካ ኣሎ፤ እኒሀዉ ድማ ኣብ ባሕሪ ጨው በፂሖም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ካልኣይ ስም ናይ ዔንገዲ ሓፀፆን ታማር እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ።</verse>
				<verse number="4">ይሁዳ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ረድኤት ክደሊ ተኣከበ፤ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ክደልዩ መፁ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝተኣከቡ ህዝቢ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ዓፀድ ደው በለ።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ ሰማይ ዘለኻ? ንዅለን መንግስታት ኣህዛብ እትገዝእስ ንስኻዶ ኣይኮንካን? ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፥ ክቃወመካ ዝኽእል የለን።</verse>
				<verse number="7">ኦ ኣምላኽና! ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፥ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዝሰጐጕካዮም ንኣኣ ኸዓ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሃብካዮም ንስኻዶ ኣይኮንካን?</verse>
				<verse number="8">ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፤ ኣብኣውን ንኣኻ ዘምልኹላ ቤተ መቕደስ ሰርሑ። ከምዙይ ከዓ በሉ፦</verse>
				<verse number="9">‘ኣብ ልዕሌና መቕፃዕቲ፥ ውግእ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት እንተ መፀ፥ ሽዑ ኣብ ቅድሜኻ፥ ኣብዛ ንኣኻ እነምልኸላ ቤተ መቕደስ ኴንና፥ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፤ ንስኻ ኸዓ ሰሚዕኻ ኽተድሕነና ኢኻ።’</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ዝመልሱልና ሞሳ ግና እንሆ ኻብዛ ዘውረስካና ርስቲ ኸውፅኡና ይመፁ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ኣምላኽና! ኣይትቐፅዖምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዝ ዝመፀና ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሊ የብልናን፤ እንታይ ከም እንገብር ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።”</verse>
				<verse number="13">ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ምስ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ህዝቢ ዝነበረ የሕዚኤል ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ በናያስ፥ ወዲ የዒኤል፥ ወዲ ማታንያ፥ እቲ ሌዋዊ ካብ ደቂ ኣሳፍ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።</verse>
				<verse number="16">ፅባሕ ተዋግእዎም፤ እንሆ በቲ ዓቐበት ፂፅ ይድይቡ ኣለዉ፤ ኣብ ወሰን እቲ ናብ ምድረ በዳ ይሩኤል ዘእቱ ለሰ ኽትረኽብዎም ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">ኣብዝ ውግእ እዙይ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዋግኡ፤ ጥራሕ ቦታኹም ሒዝኩም ቁሙ፤ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሓን ከዓ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን፥ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን፤ ፅባሕ ናብ ቅድሚኣቶም ውፁ፤ ኣነ ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኢዮሳፍጥ ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩንውን ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ሌዋውያን፥ ቀሃታውያንን ቆራሓውያንን ድማ ተሲኦም፥ የመና ዓው ብዝበለ ድምፂ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።”</verse>
				<verse number="21">ኢዮሳፍጥ ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ዝዝምሩን ቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቐቅድሚ ሰራዊት ክወፁ እንተለዉ፥ “ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ” እናበሉ ዝውድስዎ ሰባት ኣቖመ።</verse>
				<verse number="22">ክዝምሩን ክውድሱን ምስ ጀመሩ ኸዓ፥ ነቶም ምስ ይሁዳ ኽዋግኡ ኢሎም ዝመፁ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ሰብ እምባ ሴይርን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ሕቡእ ተዋጋእቲ ኣምፅአሎም፤ ንሳቶምውን ተስዓሩ።</verse>
				<verse number="23">እቶም ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ፈፂሞም ንኽቐትልዎምን ንኸጥፍእዎምን ተልዒሎምዎም ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነበሩ ምስ ኣጥፍኡዎም ድማ ንስንሳቶም ሓደ ንብፃዩ ንምጥፋእ ተሓጋገዙ።</verse>
				<verse number="24">ሰራዊት ይሁዳ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ግንቢ ሓለውቲ ምስ መፁ፥ ናብቲ ህዝቢ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ኸዓ ንዅሉ ምድሪ ሬሳ መሊእዎ ነበረ፤ ዘምለጠ ሰብውን ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="25">ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ።</verse>
				<verse number="26">በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በረኸት ተኣከቡ። ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ። ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በረኸት ትበሃል ኣላ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ኣሐጕሱዎም ስለ ዘነበረ፥ ኵሎም ሰራዊት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኢዮሳፍጥ መሪሕዎም፥ ብሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ኸዓ ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።</verse>
				<verse number="29">ኵሎም መንግስታት ሃገራት ከዓ እግዚኣብሄር ንፀላእቲ እስራኤል ከመይ ገይሩ ኸም ዝሰዓሮም ሰምዑ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወደቐ።</verse>
				<verse number="30">መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ።</verse>
				<verse number="31">ኢዮሳፍጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዓዙባ እትበሃል ጓል ሺልሒ ነበረት።</verse>
				<verse number="32">ብመንገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፤ ካብኡውን ኣይረሓቐን፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ።</verse>
				<verse number="33">ግና ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኣየወገዶን ነበረ። እቶም ህዝቢ እውን ገና ብምሉእ ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣይተመለሱን ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">እቲ ዝተረፈ ኢዮሳፍጥ ዝገበሮ፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤል ዘሎ ታሪኽ ኢዩ ወዲ ሓናኒ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="35">ድሕሪዙይ ግና ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝግብሩ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ።</verse>
				<verse number="36">ክልቲኦም ድማ ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ከስርሑ ተሓባበሩ፤ መራኽብ ድማ ኣብ ዔፅዩንጋብር ኣስርሑ።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ ኣልኣዛር ወዲ ዶዳያ፥ በዓል መሪሳም፥ ኣብ ልዕሊ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ምስ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ስለ ዝሓበርካ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ስራሕኻ ኸፍርሶ እዩ” ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከዓ ተሰብራ፤ ናብ ተርሴስ ክኸዳውን ኣይከኣላን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ኢዮሳፍጥ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ምስ ኣቦታቱ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮራም ከዓ ኣዛርያስ፥ ይሒኤል፥ ዘካርያስ፥ ዔዛርያስ፥ ሚካኤል፥ ሰፋጥያስ ዝበሃሉ ኣሕዋት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ኣቦኣቶም ድማ ብዙሕ ውህብቶ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዝኾነ ነገርን፥ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ንነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሓንቲ ሃቦም። ንኢዮራም ግና በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ ነቲ መንግስቲ ሃቦ።</verse>
				<verse number="4">ኢዮራም ከዓ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ተደላደለ፥ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኣቶም ካብ ኣሕሉቕ እስራኤልን ብሰይፊ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="5">ኢዮራም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="6">ግና፥ ሰበይቱ ጓል ኣክኣብ ነበረት፤ ስለዙይ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ብምኻድ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግና፥ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኸም ዝህቦም ዘተስፈዎ፥ ነታ ቤት ዳዊት ከጥፍኣ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="8">ብዘመን ኢዮራም ህዝቢ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ዓመፁ፤ ንጉሶም ድማ ኣንገሱ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኢዮራም ምስ ኣሕሉቑን ሰረገላታቱን ንኤዶማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ንሳቶም ድማ ኸበብዎ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ብለይቲ ነቶም ዝኸበብዎም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ወቕዖም።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክሳዕ ሕዚ ዓመፀት፤ በቲ ጊዜቱይ ኢዮራም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደገ፥ ልብናውን ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀት።</verse>
				<verse number="11">ንሱ መሊሱ ኣብ እምባታት ይሁዳ መስገዲታት ሰርሐ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡውን ከም ዘመንዝሩ ገበሮም፤ ንይሁዳውን ኣስሓቶ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ነቢይ ኤልያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ መፆ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ኣሰር ኣቦኻ ንጉስ ኢዮሳፍጥ ኮነ ኣሰር ኣቦሓጐኻ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ስለ ዘይሰዓብካ፥</verse>
				<verse number="13">ግና ኣሰር ነገስታት እስራኤል ስለ ዝሰዓብካ፥ ከምቲ ንጉስ ኣክኣብን ብድሕሪኡ ዝነገሱን ንህዝቢ እስራኤል ከም ዘመንዝሩ ዝገበርዎም፥ ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ብኣመንዝራነት ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዘስሓትካዮም፥ ነቶም ካባኻ ዝሐሹ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፥</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕሰፍቲ ኽቐስፎም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን መንፈስ እቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ኢዮራም ኣለዓዓለ።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ድማ ደዪቦም ንይሁዳ ኣፍረስዋ፤ ንዅሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተረኽበ ገንዘብውን ዘመቱ፤ ነንስቱ ድማ ወሰድወን። እንትርፊ እቲ ኻብ ኵሎም ደቁ ዝነኣሰ ኣካዝያስ፥ ዝኾነ ወዲ ኣይተረፎን።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪ ዅሉ እዙይ ድማ፥ እግዚኣብሄር ብዘይፍወስ ሕማም ኣምዑት ወቕዖ።</verse>
				<verse number="19">ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኮነ፤ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ካብቲ ደዌ ፅንዓት ዝተልዓለ፥ ኣምዑቱ ወፀ፤ ብኽፉእ ደዌውን ሞተ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ኸምቲ ነቦታቱ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቀብሪ ወግዒ ኣይገበረሉን።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ብሞቱ ዝጐሃየ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ፤ ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይተቐበረን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="2">ኣካዝያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ጎቶልያ እትበሃል ጓል ዘንበሪ ነበረት።</verse>
				<verse number="3">እኖኡ ኽፉእ ንኽገብር ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፥ ንሱ ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ፥ መኸርቱ ኸዓ ኣብ ውድቀት ኣብፅሕዎ።</verse>
				<verse number="5">ምኽሮም ሰሚዑ ኸዓ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንኢዮራም ኣቝሰልዎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኢዮራም ነቲ ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ፥ ኣብ ኢይዝራኤል ክሕከም ተመለሰ። ኣካዝያስ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ንኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክሪኦ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።</verse>
				<verse number="7">ኣካዝያስ ናብ ኢዮራም ብምምፃኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ነበረ፤ ናብኡ ምስ ከደ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ነቲ ንቤት ኣክኣብ ከጥፍኣ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ክራኸቦ ወፀ።</verse>
				<verse number="8">ኢዩ ንቤት ኣክኣብ ፍርዲ ኽፍፅም እንተሎ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ነቶም ንኣካዝያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱን፥ ረኸቦም እሞ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="9">ንኣካዝያስ ከዓ ደለይዎ፤ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ምስ ረኸብዎ ድማ ሒዞም ናብ ኢዩ ኣምፅእዎ እሞ ቐተልዎ። ንሳቶም “እዙይስ ወዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ዘገልገሎ ኢዮሳፍጥ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ካብ ቤት ኣካዝያስ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="10">እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም።</verse>
				<verse number="11">ኣካዝያስ ዮሳቤት እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ፤ ንሳ ጓል ንጉስ ኢዮራም ሰበይቲ ኻህን ዮዳሄ ነበረት። ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዘለዎም ደቂ ንጉስ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ ምስ መጕዚቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ መደቀሲ ኣእትያ ሓብአቶ። ከምዙይ ገይራ ሓቢኣ ድማ ኻብ ኢድ ጎቶልያ ኣድሓነቶ።</verse>
				<verse number="12">ኣብኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተሓቢኡ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ጎቶልያ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወሲዱ ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ኻብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ መፁ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተኣከበ፤ ምስ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስ ከዓ ኺዳን ኣተወ። ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="4">“እቲ እትገብርዎ ነገር እዙይ እዩ፤ ኣቱም ብሰንበት ኣብ ስራሕኹም እትኣትዉ፥ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶ ኣፍ ደገታት ሓልዉ።</verse>
				<verse number="5">ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሓልዉ፤ ሲሶኹምውን ኣብ ማእኸላይ በሪ ኹኑ። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ግና ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፥ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ ይእተዉ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሓሉ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሌዋውያን ድማ ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፥ ነቲ ንጉስ ከቢቦም ይሓልውዎ። ኵሉ ናብታ ቤት ዝኣቱ ኸዓ ይቀተል። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።”</verse>
				<verse number="8">ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ዮዳሄ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝፀንሐ፥ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናታትን ዋላቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="10">ንነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ኣትሒዙ፥ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጋማይ ወገና ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቖሞም።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፤ መፅሓፍ ኪዳንውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐብእዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ “ንጉስ ሺሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።</verse>
				<verse number="12">ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም እናጐየዩ ነቲ ንጉስ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መፀት።</verse>
				<verse number="13">እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ስፍራ ነገስታት፥ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።</verse>
				<verse number="14">ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ኢሉ ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ሒዞም ናብ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ፤ ኣብቲ ደገ ኣፍራስ ክትበፅሕ እንተላ ኸዓ ቐተልዋ።</verse>
				<verse number="16">ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ።</verse>
				<verse number="17">ብምሉኦም እቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዎ፤ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንናይ በዓል ካህን ንማታን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ።</verse>
				<verse number="18">ዮዳሄ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ መደቦም። ንሳቶም ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ክፍፅሙን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ መስዋእቲ ኸቕርቡን፥ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ድማ ብሓጐስን ብመዝሙርን ከገልግሉን፥ ተመዲቦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱ፥ ኣብተን ደገታት ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣቖመ።</verse>
				<verse number="20">ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ነቶም ክቡራት ሰባትን፥ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝብን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰደ፤ ነቲ ንጉስ ድማ ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፤ በታ ላዕለወይቲ በሪ ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተውዎ፤ ነቲ ንጉስውን ኣብ ዙፋን ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ተሓጐሱ፤ ጎቶልያ ብሰይፊ ስለ ዝተቐትለት ድማ እታ ኸተማ ሃድአት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ዮዳሄ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ኢዮኣስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ዮዳሄ ንንጉስ ኢዮኣስ ክልተ ኣንስቲ ኣምፅአሉ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳሉ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከዓ፥ ኢዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ክሕድሳ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ “ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፥ ነቲ ዓመት ዓመት ዝግበር ምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዝኸውን ገንዘብ ካብ ኵሉ እስራኤል ኣክቡ፤ እዙይ ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ሸለል በሉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንጉስ ኢዮስያስ ንሊቀ ካህናት ዮዳሄ ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ንህዝቢ እስራኤል ነታ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎት ዝሓገገላ ግብሪ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ከምፅኡ ነቶም ሌዋውያን ዘየለዓዓልካዮም?” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እታ ኸሓዲት ዝኾነት ጎቶልያ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣፍሪሶምዋ ነበሩሞ፤ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ኣቑሑውን ንኣምልኾ በዓል ሂቦምዎ ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እቲ ንጉስ፥ ሓደ ሳፁን ሰሪሖም ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ከቐምጥዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ዝወሰነሎም ግብሪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከእትውዎ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣወጁ።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም ኣሕሉቕን ኵሎም ህዝብን ከዓ ተሓጕሶም ገንዘብ ኣምፅኡ፤ እቲ ሳፁን ክሳዕ ዝመልእ ከዓ ኣእተዉ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሳፁን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብ ሹመኛታት ንጉስ ምስ በፅሐን፥ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎውን ምስ ረአዩ፥ እቲ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ካህናት ሹምን ከዓ እናመፁ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ሳፁን የውፅእዎ ነበሩ። ነቲ ሳፁን ድማ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ በብመዓልቱ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ድማ ነዝ ገንዘብ እዙይ ነቶም ነቲ ስራሕ ምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ወቐርትን ፀረብትን፥ ንምፅጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ብሓፂንን ብነሃስን ዝሰርሑ ሰባት ይገዝኡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ሰራሕቲ ኸዓ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝፈረሰውን ብኢዶም ተሓደሰ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣፅንዕዋ።</verse>
				<verse number="14">ምስ ወድኡ ድማ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ኣምፅእዎ፤ ካብኡ ድማ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፥ ኣቑሑ ንኣገልግሎትን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ውንጭሕትታትን ጭልፋታትን ካልእ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮዳሄ ኽሳዕ ዘሎ ኸዓ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ዮዳሄ ግና ሸምገለ፤ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ እስራኤል ንእግዚኣብሄርን ነታ ቤቱን ፅቡቕ ስለ ዝገበረ ድማ፥ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪ ሞት ዮዳሄ ግና እቶም ኣሕሉቕ ይሁዳ መፂኦም ንንጉስ ኢዮኣስ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ፥ ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም።</verse>
				<verse number="18">ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንሓወልቲ ኣስታሮትን ንጣዖታትን ኣምለኹ። በዝ በደሎም እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ ወረደ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።</verse>
				<verse number="20">መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ዘካርያስ ወዲ ዮዳሄ መፀ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? ሰናይ ኣይኾነልኩምን እዩ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሓደግኩም ንሱ ኸዓ ሓዲጉኩም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ንእኡ ንጉስ ኢዮኣስን እቶም ህዝብን ክቐትልዎ ተመሓሓሉ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ዮዳሄ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ሰናይ ረስዖ፤ ንወዱ ዘካርያስ ድማ ኣቕተሎ። ዘካርያስ ግና ኽመውት እንተሎ “ነዝ እትገብሮ ዘለኻስ እግዚኣብሄር ይርአዮ፤ ንሱውን ይፍረድ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ዓመቱ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ሰራዊት ሶርያ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ወረርወን። ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ እውን ቐተልዎም። ንዅሉ እቲ ዝማረኽዎ ድማ ናብ ንጉሶም ናብ ደማስቆ ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="24">ሰራዊት ሶርያ ውሑዳት ጭፍራ ነበሩ፤ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ስለ ዝነበሩ ግና እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሰራዊት ይሁዳ ዓወት ሃቦም። ብኸምዙይ ከዓ ኢዮኣስ ተቐፅዐ።</verse>
				<verse number="25">ሰራዊት ሶርያ ንዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ንጉስ ኢዮኣስ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ንጉስ ኢዮኣስ ንዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮዳሄ ስለ ዝቐተሎ ድማ፥ ክልተ ኻብ ሓሻኽሩ ሕነ ኽፈድዩ ተመሓሓሉሉ እሞ ኣብ ዓራቱ እንተሎ ቐተልዎ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይቀበርዎን።</verse>
				<verse number="26">እቶም ዝተመሓሓሉሉ ድማ ዛባድ ወዲ ሰምዓት ኣሞናዊትን ዮዛባት ወዲ ሰማሪት ሞኣባዊትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርበ ብዙሕ ትንቢታትን፥ ብዛዕባ ነቲ ቤተ መቕደስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘሐደሶ ዝትርኽ ፅሑፍን፥ ኣብቲ ብዛዕባ ትርጓሜ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝትርኽ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ኣሜስያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዮዓዳን እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ብምሉእ ልቡ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="3">እታ መንግስቱ ምስ ፀንዐትሉ፥ ነቶም ነቦኡ ነቲ ንጉስ ዝቐተሉ ሓሻኽር ቀተሎም።</verse>
				<verse number="4">ግና ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ፥ ተፅሒፉ ዘሎ፥ “ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል እምበር፥ ኣቦታት ብሰንኪ ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቂውን ብሰንኪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ” ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፥ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።</verse>
				<verse number="5">ኣሜስያስ ንህዝቢ ይሁዳን ብንያምን በብማይ ቤት ኣቦታቶም ኣኪቡ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘፀሮም፤ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ረኸበ።</verse>
				<verse number="6">ብሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ገይሩ፥ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ብገንዘብ ቈፀረ።</verse>
				<verse number="7">ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ናብ ኣሜስያስ መፂኡ፥ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኣይኮነን፤ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬምውን ኣይኮነን እሞ፥ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ።</verse>
				<verse number="8">ውግእ ገጢምካ ብጅግንነት እንተ ተዋጋእኻ እኳ፥ እግዚኣብሄር ንምርዳእ ኾነ ንምጥፋእ ስልጣን ስለ ዘለዎ፥ ፀላእትኻ ኸም ዝስዕሩኻ ኽገብረካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣሜስያስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እቲ ንጭፍራ እስራኤል ክቘፅር ኢለ ዘውፃእኽዎ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርከ እንታይ ይኹን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ “ካብኡ ዝበዝሕ እግዚኣብሄር ክህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኣሜስያስ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመፁ ጭፍራ ንዓዶም ክምለሱ ፈልዩ ሰደዶም። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳ እምብዛ ተቘጥዑ፤ ተቘጢዖም ድማ ንዓዶም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="11">ኣሜስያስ ድማ ብትብዓት ንህዝቡ ኣኽቲቱ ኣብ ለሰ ጨው ኣሰለፎም፤ ኣብኡ ኸዓ ተዋጊኦም ካብ ደቂ ሴይር ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ይሁዳ ድማ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብህይወት ማረኹ። ናብ ርእሲ ሓንቲ ቐልቀል ኣደዪቦም ድማ ንቝልቁል ኣፅደፍዎም፤ ኵሎም ከዓ ተፈጥፊጦም ሞቱ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣሜስያስ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይኸዱ ዘሰናበቶም ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፥ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤትሖሮን፥ ሓደጋ ኣውደቑለን እሞ ኣብኣተን ሰለስተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ፤ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።</verse>
				<verse number="14">ኣሜስያስ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ክምለስ እንተሎ፥ ነቶም ኣማልኽቶም ተማሊእዎም መፀ። ኣማልኽቱ ክኾኑ ድማ ኣቖሞም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ሰገደ፤ ዕጣንውን ዓጠነሎም።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሜስያስ ነደደ እሞ፥ ሓደ ነቢይ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ኸድሕኑ ዘይከኣሉ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኤዶምያስ ዝሰገድካሎም?” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምኽሪ ምስ መኸረ፥ ናብ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ወዲ ኢዩ፦ “ነዓ ገፅ ንገፅ ንርአአ” ኢሉ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="18">ኢዮኣስ ግና ንኣሜስያስ ልኢኹ፦ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፥ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፉ፤ ነቲ እሾዅ ከዓ ረገፅዎ።</verse>
				<verse number="19">‘እንሆ ንኤዶምያስ ስዒረዮ’ እናበልካ ብልብኻ ትዕበ ኣለኻ፤ ኣነ ግና ኸቢርካ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ እምዕደካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ንርእስኻን ንህዝቢ ይሁዳን መከራ እትደሊ?” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣሜስያስ ንኣማልኽቲ ኤዶምያስ ስለ ዘምለኸ፥ ብፀላእቱ ኸም ዝሰዓር እግዚኣብሄር ወሲኑ ነበረ እሞ፥ ኣሜስያስ ምኽሪ ኣይሰምዐን።</verse>
				<verse number="21">ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ክዋጋእ ከተተ። ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሳሚስ ገፅ ንገፅ ተረኣኣዩ።</verse>
				<verse number="22">ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ዓዶም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="23">ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሳሚስ ሓዞ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ወሰዶ። ንመካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ምስ ዖቤድኤዶም ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን፥ ኵሉ ኣቑሑን መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ዕጉታት ዝነበሩ ሰባትን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="25">ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮኣስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="27">ካብታ ኣሜስያስ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐላ እዋን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ሻራ ይኣልሙሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሶ ልኢኾም ድማ ኣብኣ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ፈረስ ፅዒኖም ወሰድዎ እሞ፥ ኣብ ከተማ ይሁዳ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ዖዝያን ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት እንተሎ፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኽንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="2">ኣቦኡ ኣሜስያስ ምስ ሞተ ኸዓ ንኤላት ናብ ይሁዳ መለሳ፤ መሊሱ ድማ ሰርሓ።</verse>
				<verse number="3">ዖዝያን ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ገዝአ። እኖኡ ይኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ ድማ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="7">ኣምላኽ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን ነቶም ኣብ ጉርበኣል ዝነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ነቶም መዑናውያንን ክስዕሮም ሓገዞ።</verse>
				<verse number="8">ኣሞናውያን ድማ ንዖዝያ ገበሩሉ፤ ንሱ የመና በርትዐ፤ ዝናኡ ኸዓ ኽሳዕ ግብፂ በፅሐ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ዖዝያ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዘንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ መኣዘንን ግንብታት ሰርሐ፤ ንኣኣተን ድማ ዓረደን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።</verse>
				<verse number="11">ዖዝያን ከዓ ንውግእ ዝተዓለሙ ሰራዊት ነበርዎ። እቶም ሰራዊት ከምቲ የዒኤል እቲ ፀሓፍን ማዓስያ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን፥ ዝፀሓፍዎምን ዝቘፀርዎምን በብጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወፁ ነበሩ። ይዒኤልን መዕሴያን ኣብ ትሕቲ ሓናንያ ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ኮይኖም ይመርሕዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ቝፅሪ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ድማ ብኣኣቶም ዝምራሕ፥ ንፀላኢ ንምውጋእ ዝሕግዞ፥ ብሰለስተ ሚእትን ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓሻኽር ዝቖመ ሓያልን ጅግናን ሰራዊት ነበሮ።</verse>
				<verse number="14">ንጉስ ዖዝያን ከዓ ንዅሉ እዝ ሰራዊት እዙይ ዋላቱን ኲናታትን ቍራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ፍላፃታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዝውርውረሉ፥ ብብልሓት ዝተገብረ ኣፅዋር ኣብ ግንብታትን ኣብ መኣዝናትን ዝኾኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ብዘደንቕ ስለ ዝረድኦ በርቲዑ ነበረ እሞ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="16">ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ።</verse>
				<verse number="17">ካህን ኣዛርያስ፥ ሰማንያ ተባዓት ካህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪ ንጉስ ዖዝያን ኣተወ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቓወምዎ፤ “ኦ ዖዝያን፥ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣን ናይቶም ክዓጥኑ ዝተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ ኢኻሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየኽብረካን እዩ እሞ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ውፃእ” በልዎ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ዖዝያን ኰረየ፤ ነታ ዝዓጥነላ ፅንሃህ ኸዓ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ክዅርየሎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምፂ ወፆ።</verse>
				<verse number="20">ሊቀ ካህናት ኣዛርያስን ኵሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ግምባሩ ለምፂ ነበሮ እሞ፥ ካብቲ ቤተ መቕደስ ቀልጢፎም ኣውፅእዎ። ንሱውን እግዚኣብሄር ስለ ዝቀሰፎ ቐልጢፉ ወፀ።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ዖዝያን ድማ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምፂ ነበሮ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ኸዓ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ። ወዱ ኢዮኣታም ድማ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ነበረ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ የመሓድር ነበረ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዝተረፈ ናይ ዖዝያን ነገር ከዓ፥ እቲ ቐዳማይ ኮነ እቲ ዳሕረዋይ፥ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ፅሒፍዎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="23">ዖዝያን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ነገስታት ኣብ ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ለምፂ ኣለዎ ኢሎም ኣብቲ መቓብር ነገስታት ኣይቀበርዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣታም ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ኢዮኣታም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸም ኣቦኡ ዖዝያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ግና ኸም ኣቦኡ ናብ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን። እቶም ህዝቢ ግና ይብድሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ፤ ነቲ ብወገን ዖፌል ዘሎ መካበብያ ኢየሩሳሌምውን ሰርሖ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ድማ ኸተማታት ሰርሐ፤ ኣብ ዱርውን ዕርድታትን ግንብታትን ሰርሐ።</verse>
				<verse number="5">ምስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ሰዓሮም እሞ፥ ኣብታ ዓመት ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ቶን ስርናይን ሽሕ ቶን ስገምን ሃብዎ። እቶም ደቂ ኣሞን፥ በታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከዓ ኽንድኡ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ኢዮኣታም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቕኑዕ ስለ ዝገበረ በርትዐ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ ዝተዋግኦ ውግእን ኣገዛዝኣኡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ኣካዝ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይነበረን፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="2">እኳ ደኣ ኣሰር ነገስታት እስራኤል ሰዓበ፤ ብዝፈሰሰ ሓፂን ገይሩ ምስሊ በዓሊም ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከዓ ዕጣን ዓጠነ፤ ከምቲ ዘፀይፍ ልምዲ ናይቶም ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸዓ፥ ንደቁ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንጣዖት ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="4">ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽትን፥ ኣብ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ኣካዝ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብንጉስ ሶርያ ኸም ዝስዓር ገበሮ፤ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ጭፍራ ማሪኾም ናብ ደማስቆ ወሰድዎም። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብንጉስ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውረደሉ።</verse>
				<verse number="6">ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ዝክሪ ዝበሃል ሓደ ጅግና እስራኤላዊ ድማ ንመዕሴያ ወዲ ንጉስ ኣካዝን፥ ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን፥ ትሕቲ ንጉስ ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዘ ንሕልቃናን ቀተሎም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣጓላትን ማረኹ፤ ካብኣቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ወሰዱ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ሰማርያ ዖዴድ ዝስሙ ነቢይ እግዚኣብሄር ነበረ። ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ክራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንህዝቢ ይሁዳ ስለ ዝተቘጥዖም ከም እትስዕርዎም ገበረኩም። ንስኻትኩም ግና ብቝጥዓ ጨኪንኩም ቀተልኩምዎም። ጨኸናኹም ከዓ ኣብ ሰማይ በፅሐ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ኸዓ ስምዑኒ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ከይነድድ፥ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።”</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ሓድሓደ ኻብቶም መራሕቲ ደቂ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሓናን በራክያ ወዲ መሺሌሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሰሎምን ዓሜሳይ ወዲ ሓድላይም ተሲኦም ንተግባር እቲ ሰራዊት ተቓወምዎ።</verse>
				<verse number="13">“በደልናስ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ድሮ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም በዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝኾነና ጌርኩም፥ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘለኹም እሞ፥ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ናብዙይ ኣይተእትውዎም” በልዎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቶም ሰራዊት ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕትን ኵሉ ህዝብን ሰደድዎም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተሰምዩ ሰባት ከዓ ተሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፤ ንዅሎም ዕሩቓት ዝነበሩ ድማ ኻብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከዓ፥ ኣሳእን ሃብዎም፤ መብልዕን መስተን ሃብዎም፤ ዘይትውን ለኸይዎም፤ ንዅሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣቐሚጦም፥ ናብ ኢያሪኮ፥ ናብታ ኸተማ ተምሪ፥ ናብ ኣሕዋቶም ኣብፅሕዎም። ንሳቶም ግና ናብ ሰማርያ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="16">በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣካዝ፥ ንንጉስ ኣሶር ክሕግዞ ለኣኸሉ፤</verse>
				<verse number="17">ኤዶማውያን መሊሶም መፂኦም ንይሁዳ ሓደጋ ኣውዲቖም፥ ምሩኻት ወሲዶም ነይሮም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="18">ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="19">ኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝረሓቐን ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ስዲ ስለ ዝሓደጎምን፥ እግዚኣብሄር ብሰንኩ ንህዝቢ ይሁዳ ኣዋረዶም።</verse>
				<verse number="20">ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብኡ መፀ፤ ግና ኽንዲ ዝድግፎ ተቓወሞን ኣጨነቖን።</verse>
				<verse number="21">ኣካዝ ከዓ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ኣብ ቤት ኣሕሉቕን ዝነበረ ወርቂ ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፤ ግና ኣይተሓገዘሉን።</verse>
				<verse number="22">ንጉስ ኣካዝ ብጊዜ ጭንቁውን ዝገደደ ንእግዚኣብሄር በደለ።</verse>
				<verse number="23">“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።</verse>
				<verse number="24">ኣካዝ ድማ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣኪቡ ሰባበሮ፤ ነቲ በርታት ቤት እግዚኣብሄርውን ዓፀዎ። ኣብ ኵሉ መኣዝን ኢየሩሳሌም ከዓ ንባዕሉ መሰውኢታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ዝዓጥነሉ በረኽቲ ገበረ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኣከያይዳኡን፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="27">ኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ቐበርዎ። ግና ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ሕዝቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ስዒቡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ሕዝቅያስ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ መጀመርታ ዓመት መንግስቱ፥ ነተን በርታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን፤ ኣሐደሰንውን።</verse>
				<verse number="4">ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምፂኡ ኸዓ፥ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፥ ስምዑኒ፤ ተቐደሱ፤ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከዓ ቐድስዋ፤ ነቲ ርኽሰት ድማ ኻብ መቕደስ ኣውፅእዎ።</verse>
				<verse number="6">ኣቦታትና በደሉ፤ ኵሉ ኽፉእ ዝኾነውን ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ሓደግዎ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ከዓ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="7">ናይቲ ቤተ መቕደስ ገበላ ዓፀዉ፤ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፤ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዓጠኑን፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየቕረቡሉን።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ድማ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ነደደ። ከምዝ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመሰክሕን ንመደንገፅን ንመላገፅን ገበሮም።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ከዓ እንሆ ኣቦታትና ኣብ ውግእ ሞቱ፤ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ኣንስትናንውን ተማረኹ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።”</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተስኡ፦ ካብ ደቂ ቀዓት፦ መሓት ወዲ ኣማሲን ኢዮኤል ወዲ ኣዛርያስን፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ቂስ ወዲ ዓብዲን ኣዛርያስ ወዲ ይሃሌልኤልን፥ ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ዮኣክ ወዲ ዛማትን ዔድን ወዲ ዮኣክን፥</verse>
				<verse number="13">ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ሺምሪን ይዒኤልን፥ ካብ ደቂ ኣሳፍ፦ ዘካርያስን መታንያን፥</verse>
				<verse number="14">ካብ ደቂ ኤማን፥ ይሒኤልን ሰሜኢን፥ ካብ ደቂ ኤዶታም፦ ሸማያን ዑዝኤልን።</verse>
				<verse number="15">ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ። ከምቲ ንጉስ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝበሎም ከዓ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅህዋ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅሁ ኣተዉ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝረኸብዎ ዅሉ ርኽሰት ናብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅእዎ። እቶም ሌዋውያን ከዓ ተቐቢሎም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፂኦም ደርበይዎ።</verse>
				<verse number="17">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ነታ ቤተ መቕደስ ከንፅህዋ ጀመሩ፤ ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽሳዕ እቲ ገበላ በፅሑ። ቀፂሎም ከዓ ንሸሞንተ መዓልቲ ነታ ቤተ መቕደስ ኣንፅህዋ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ድማ ነቲ ስራሕ ፈፀምዎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣትዮም “ንዅሉ ቤት እግዚኣብሄር ዝቃፀል መሰውኢን፥ ንዅሉ ኣቑሑኡን ነቲ ሰደቓ ሕብስቲ ቝርባንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ኣፅሪናዮ ኣለና።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ንጉስ ኣካዝ ክገዝእ እንተሎ፥ ካብ እግዚኣብሄር ምስ ከድዐ፥ ዝደርበዮ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና። እንሆ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኸዓ ኣከቦም፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ሒዝዎም ድማ ኸደ።</verse>
				<verse number="21">ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ ቤተ መቕደስን ምእንቲ ህዝቢ ይሁዳን ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ሸውዓተ ኣብዑርን፥ ሸውዓተ ማጓሉን፥ ሸውዓተ ጡበታትን፥ ሸውዓተ ዲበላታትን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ድማ፥ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፤ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ማጓሉውን ሓረድዎም፤ ነቲ ደምውን ናብ መሰውኢ ነፀግዎ።</verse>
				<verse number="23">ነቶም ክንዲ ሓጢኣት ዝስውኡ ዲበላታት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ህዝብን ኣቕረብዎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንጉስ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል፥ ዝቃፀል መስዋእትን ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ክግበር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፥ ንዅሉ እስራኤል ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ክኸውን ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ሌዋውያን ናይ ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ ሒዞም ነበሩ፤ ካህናትውን መለኸት ሒዞም ቆይሞም ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ሕዝቅያስ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽጅመር እንተሎ ኸዓ ብመለኸትን በቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርሒ ሙዚቃን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ዘመሩ።</verse>
				<verse number="28">ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ይሰግድ ነበረ፤ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፤ መለኸተኛታትውን ነፍሑ፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ እዝ ዅሉ ኾነ።</verse>
				<verse number="29">ምቕራብ ምስ ፈፀሙ ኸዓ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።</verse>
				<verse number="30">ንጉስ ሕዝቅያስን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ነቢይ ኣሳፍ እቲ ረኣዪን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ኽዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሓጒሶም ከዓ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ፤ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።</verse>
				<verse number="31">ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሰብዓ ዝራብዓት፥ ሚእቲ ማጓሉ፥ ክልተ ሚእቲ ጡበታት ኣባጊዕ ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="33">ቍፅሪ እቶም ዝተቐደሱ ድማ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">እቶም ካህናት ግና ውሑዳት ነበሩ እሞ ንዅሎም እቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ እንስሳ ምሕራድ ኣይከኣሉን፤ ስለዙይ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዝበልፅ ንኽቕደሱ ቅኑዕ ልቢ ነበሮምሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ካልኦት ካህናትውን ክሳዕ ዝቕደሱ፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም።</verse>
				<verse number="35">ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ተብሂሉ ዝተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። ስለዙይ እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዳለወ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ነገር ድንገት ስለ ዝተገብረ፥ ሕዝቅያስን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝገበረሉ ተሓጐሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ሕዝቅያስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሉ፥ ናብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ድማ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ዝኣኽሉ ኻህናት ስለ ዘይተቐደሱን፥ እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን ብጊዜኡ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፥ ንጉስ ሕዝቅያስን ሹመኛታቱን ኵሉ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ፋሲካ ኸብዕሉ ስለ ዝተማኸሩ እዩ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም።</verse>
				<verse number="5">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሎም፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ኣብ ኵሉ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ ወሰኑ። እዙይ መግበሪኦም ድማ ህዝቢ እስራኤል ንበዓል ፋሲካ ኻብ ነዊሕ ዘመን ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ገይሮም ዘየብዕልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኩም ከም ዝጠፍኡ ኽሳዕ ዝገብሮም ንኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝበደሉ ከም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ።</verse>
				<verse number="9">ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመሊስኩም፥ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህን መሓርን እዩ እሞ፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱውን ገፁ ናባኻትኩም ክመልስ እዩ።”</verse>
				<verse number="10">እቶም ልኡኻት ከዓ ኻብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፤ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ኣቢሎም ድማ ኽሳዕ ዛብሎን በፅሑ። ንሳቶም ግና ብንዕቐት ሰሓቑዎምን ኣላገፁሎምን።</verse>
				<verse number="11">ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ዝኾኑ ሰባት ግና ርእሶም ኣዋሪዶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ።</verse>
				<verse number="12">መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።</verse>
				<verse number="13">በታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በዓል ቅጫ ኸብዕል፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከበ።</verse>
				<verse number="14">ተሲኦም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣወገዱ፤ ነቲ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ሩባ ቄድሮን ደርበይዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ሕጊ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ በብስርዓቶም ቆሙ፤ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነፅጉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ዘይነፅሁ ነበሩ እሞ፥ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነፅሁ ዅሎም በጊዕ ፋሲካ ሓሪዶም ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።</verse>
				<verse number="18">ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ከምቲ ሕጊ እንተይነፅሁ በጊዕ ፋሲካ በልዑ። ንጉስ ሕዝቅያስ ግና “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! እቲ ብቕኑዕ ልቢ ንኣኻ ዘምለኸ፥ ከም ሕጊ ዘይነፅሀኳ እንተ ኾነ ብሕያዋይነትካ ይቕረ በለሉ” ኢሉ ለመነ።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ሕዝቅያስ ሰሚዑ ነቶም ህዝቢ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ዝመርሑ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን የበረታትዖም ነበረ። በቲ በዓል፥ በተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲኣተን ከዓ፥ መስዋእቲ ምስጋና እናቕረቡን እናበልዑን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም የመስግኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻልኦት ሸውዓተ መዓልቲ ኸብዕሉ ተሰማምዑ፤ ካልኦት ሸውዓተ መዓልቲታትውን ብሓጐስ ኣብዓሉ።</verse>
				<verse number="24">ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ሓሪዶም ዝበልዕዎም ሽሕ ዝራብዓትን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቦም። እቶም ሹመኛታት ድማ ነቲ ህዝቢ ሽሕ ኣብዑርን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃብዎ። ብዙሓት ካህናት ከዓ ኸምቲ ስርዓት፥ ርእሶም ኣንፅሁ።</verse>
				<verse number="25">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ህዝቢ ይሁዳን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመፁ ህዝብን፥ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝቕመጡ ዝነበሩ መፃእተኛታትን ብሓባር ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፥ ከምዙይ ዝበለ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ንዝቃፀል መስዋእትን ዝኸውን፥ ካብ ጥሪቱ ክኸፍሎ ወሰነ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="5">እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ከዓ ኻብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝወፈይዎ ድማ ኣስራት ኣምፅኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዀመርዎ።</verse>
				<verse number="7">ክዅምሩ ዝጀመሩ ብሳልሰይቲ ወርሒ ነበረ፤ በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ።</verse>
				<verse number="8">ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታቱን መፂኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ፤ ንህዝቡ እስራኤል ድማ ባረኽዎ።</verse>
				<verse number="9">ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዝተዀመረ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝነበረ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ “እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዝጅምር፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝባረኾ፥ ክሳዕ ዝተርፈና በሊዕና ንፀግብ ኣለና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዅምሪ ኸዓ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ተናገረ።</verse>
				<verse number="11">ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕኸን ክስራሕ ኣዘዘ፤ ንሳቶም ከዓ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ መባእን ኣስራትን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ብእምነት ናብኡ ኣእተውዎ። ኮናንያ ዝበሃል ሌዋዊ ድማ ተሸይሙ ነበረ፤ ንሓዉ ሰሜኢ ኸዓ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ብትእዛዝ ንጉስ ሕዝቅያስን ብትእዛዝ ኣዛርያስ ሹም ቤት እግዚኣብሄርን ድማ ይሒዒል፥ ኣዛዝያ፥ ናሖት፥ ኣሳሄል፥ ይሬሞት፥ ዮዛባት፥ ኤሊኤል፥ ሰማክያ፥ መሓት፥ በናያስ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብ ትሕቲ ኮናንያን ሰሜኢ ሓዉን ተቘፃፀርቲ ኾኑ።</verse>
				<verse number="14">ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ትሕቲኡ ድማ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምታ መደብ ስራሖም ማዕረ ማዕረ ገይሮም ብእምነት ክዕድሉሉ፥ ዔድን፥ ሚንያሚን፥ ኢያሱ፥ ሸማያ፥ ኣማርያ፥ ሴኬንያ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብተን ካህናት ዝነብሩለን ከተማታት ተሸይሞም ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ነቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝነበሩ፥ ከከም ክፍሎምን ከከም ኣገልግሎቶምን ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዅሎም ይዕድልዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብቲ ማሕበር በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ኸምቲ ሕጊ፥ ርእሶም ብእምነት ቀዲሶም ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ኵሎም ህፃናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ተፅሓፉ።</verse>
				<verse number="19">ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ገራሁ ዝነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፥ ካብ ካህናት ተባዕትዮ ንዝኾኑ ኻብ ሌዋውያን ንዝተፅሓፉ ዅሎምን በብፅሒቶም ክህብዎም፥ ኣብ ከከተማኡ በብስሞም ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ሕዝቅያስ ከዓ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሕግን ትእዛዝን፥ ንኣምላኹ ስለ ዝተኣዘዘን፥ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰርሐን፥ ሰለጦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ድሕሪ እዝ ነገር እዙይን እዝ እምነት እዙይን፥ ንጉስ ኣሶር ሰናክሬም መፂኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ከቢቡ ድማ ኽሕዘን ሓሰበ።</verse>
				<verse number="2">ሕዝቅያስ፥ ሰናክሬም ከም ዝመፀን ንኢየሩሳሌምውን ክዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረአየ፥</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ክድፈን፥ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ ንሳቶም ድማ ሓገዝዎ።</verse>
				<verse number="4">ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ከዓ “ስለ ምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መፂኦም ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ” ብምባል ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእኸል እታ ሃገር ዝውሕዝ ሩባን ዓፀውዎ።</verse>
				<verse number="5">ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ኣሕሉቕ ውግእ ሸመ፤ ናብታ ኣብ በሪ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸዓ ኣከቦም እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣፀናንዖም፦</verse>
				<verse number="7">“ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ምስኡ ዘሎ፥ ሓይሊ ሰብ እዩ፤ እቲ ምሳና ዘሎ ግና፥ እቲ ዝረድአናን ዝዋግአልናን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።” እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተፀናንዐ።</verse>
				<verse number="9">ድሕሪዙይ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣብ ላኪሶ ሰፊሩ እንተሎ፥ ሹመኛታቱ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ልኢኹ ኸምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="10">“ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዛ ተኸቢባ ዘላ ኢየሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘለኹምስ፥ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም?</verse>
				<verse number="11">ብጥሜትን ብፅምእን ክትሞቱስ፥ ሕዝቅያስዶ ኣይኮነን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈና እዩ’ እናበለ ዘስሕተኩም ዘሎ?</verse>
				<verse number="12">እቲ ንእግዚኣብሄር ዝስውኡሉ በረኽትን መሰውኢታትን ኣወጊዱ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ‘ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ’ ዝበለስ እዝ ሕዝቅያስ እዙይዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="13">“ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኩም? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኣተንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም?</verse>
				<verse number="14">ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኣቶምከ ንህዝቡ ኸናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ መን እዩ? ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢደይ ከናግፈኩምዶ ይከኣሎ እዩ?</verse>
				<verse number="15">እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?”</verse>
				<verse number="16">እቶም ሹመኛታቱ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ሕዝቅያስን ክፉእ ነገር ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="17">ከምኡውን ሰናክሬም ንእግዚኣብሄር ክፀርፎን፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኽዛረብን፦ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሓንዎም፤ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ሕዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ከድሕኖም ኣይኽእልን እዩ” ዝብል ደብዳቤ ፀሓፈ።</verse>
				<verse number="18">ነታ ኸተማ ምእንቲ ኽሕዝዋ ድማ፥ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ዝነብሩ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ከፍርሕዎምን ከሸብርዎምን ዓው ኢሎም ብቛንቋ ዕብራይስጢ ተዛረብዎም።</verse>
				<verse number="19">ብዛዕባ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ናይዝ ዓለምዙይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ንጉስ ሕዝቅያስን ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ግና ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ እግዚኣብሄር ፀለዩ፤ ናብ ሰማይውን ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዅሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ኣሕሉቕን ኣጥፍኦም። ሰናክሬም ከዓ ተዋሪዱ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ደቁ ኣብኡ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ድማ ንሕዝቅያስን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦት ፀላእቶምን ኣድሓኖም፤ ብዅሉ ወገንውን ሓለዎም።</verse>
				<verse number="23">ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።</verse>
				<verse number="24">በቲ ወርሓት እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ንሞት ቀረበ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ተናገሮ፤ ምልክትውን ሃቦ።</verse>
				<verse number="25">ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።</verse>
				<verse number="26">ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።</verse>
				<verse number="27">ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="28">ንእቶት እኽልን ወይንን ዘይትን ዝኸውን ሪቕ፥ ንዅሉ ዓይነት እንስሳ ዝኸውን ከዓ ጋፃት፥ ንጤለ በጊዕ ዝኸውን ደምበታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር የመና ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፥ ከተማታት ሰርሐ፤ ብዙሓት ከፍትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ላዕለዋይ ዓይኒ ማይ ግዮን ዓቢሱስ፥ ብመስኖ ገይሩ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኸም ዝውሕዝ ዝገበሮ ንጉስ ሕዝቅያስ እዩ። ሕዝቅያስ ዝገበሮ ዅሉ ይሰልጦ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ሰብ ከም ዝነበረን፥ ኣብቲ ራእይ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ኣብቲ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="33">ሕዝቅያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ መቓብር ደቂ ዳዊት፥ ኣብቲ ዝለዓለ ቦታ ነገስታት ድማ ቐበርዎ። ህዝቢ ይሁዳን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ምናሴ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ግብሪ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምፍፃሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን።</verse>
				<verse number="4">ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።</verse>
				<verse number="8">እንተ ኾነ ኸምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ስርዓታትን ትእዛዛትን ንምግባር ደኣ ይጠንቀቑ እምበር፥ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይነቕሎምን እየ።”</verse>
				<verse number="9">ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="12">ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ።</verse>
				<verse number="13">ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ራህርሀሉ፤ ፀሎቱውን ሰምዖ። ናብታ መንግስቱ ናብ ኢየሩሳሌምውን መለሶ። ሽዑ ምናሴ እግዚኣብሄር በይኑ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፈለጠ።</verse>
				<verse number="14">ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="17">ግናኸ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ድኣ ይስውኡ ነበሩ እምበር፥ ኣብ በረኽቲ ምስዋእ ኣይሓደጉን።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ንኣምላኹ ዘቕረቦ ፀሎትን እቶም ነቢያት ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ ቓልን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቤቱውን ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።</verse>
				<verse number="21">ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="22">ንሱውን፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኵሎም ምስልታት ሰውአሎምን ኣምለኾምን።</verse>
				<verse number="23">ኣሞፅ ግና ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘዋረደ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየዋረደን።</verse>
				<verse number="24">ሹመኛታቱ ኸዓ ሻራ ገበሩሉ እሞ፥ ኣብ ቤተ መንግስቱ ቐተልዎ።</verse>
				<verse number="25">ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞፅ ሻራ ዝገበሩሉ ዅሎም ቀተልዎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገስዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ሻምነይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ገና ቘልዓ እንተሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ከምልኽ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት መንግስቱ፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ጣዖታት ዘምልኹሉ በረኽትን ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ፅሩብ ምስልታትን ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትን ከፅሪ ጀመረ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ።</verse>
				<verse number="5">ነዕፅምቲ ኻህናት ጣዖት ድማ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣቃፀሎ እሞ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣፅረየን።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ክሳዕ ምድሪ ንፍታሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ድማ ኸምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">መሰውኢታት ኣፍረሰ፤ ንመምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፁ ምስልታትን ከዓ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣድቀቐ። ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ምስሊ ፀሓይ ቈራረፀ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="8">ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፤ ነታ ሃገርን ነታ ቤተ መቕደስን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ኣፅረየን፥ ንሳፋን ወዲ ኤዜልያስን ንመዕሴያ ሹም እታ ኸተማን ንእዮኣክ ወዲ ኢዮኣካዝ እቲ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፅግንዋ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="9">ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ በሪ፥ ካብ ነገድ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ካብቶም ኵሎም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ደቂ እስራኤልን፥ ካብ ኵሉ ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ህዝብን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘእተውዎ ገንዘብ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="10">እዝ ገንዘብ እዙይ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራሕቲ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሸሙ ተውሃበ። ንሳቶም ከዓ ነቶም ንቤት እግዚኣብሄር ክፅግንዋን ከዐርይዋን ዝተመረፁ ሰራሕተኛታት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="11">ነተን ነገስታት ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ፥ ኣግማል ክገብሩለንን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዝኸውን ኣዕፃውን ምእንቲ ኽዕድጉ፥ ንፀረብትን ንሃነፅትን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="12">እቶም ሰባት ከዓ ነቲ ስራሕ ብተኣማንነት ሰርሕዎ። ክሕልውዎም ዝተመረፁ ሌዋውያን ድማ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ ያሓትን ኣብድያን፥ ካብ ደቂ ቀሃት ከዓ ዘካርያስን ሜሱላምን ነበሩ። እቶም ሌዋውያን ኵሎም ብመሳርሒ ሙዚቃ ምዝማር፥ ክኢላታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ገሊኣቶም ሌዋውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ሸኽሚ ዝፆሩ ሓለፍቲ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ነቶም ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ኣገልግሎት ዝሰርሑን፥ ዝሕልዉን ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ፀሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ በርታትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከውፅኡ እንተለዉ፥ ካህን ኬልቅያስ ነቲ ብሙሴ ዝተውሃበ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ።</verse>
				<verse number="15">ኬልቅያስ ድማ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ረኺበዮ ኣለኹ” ኢሉ ነገሮ። ኬልቅያስውን ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ንሳፋን ሃቦ።</verse>
				<verse number="16">ሳፋን ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ናብ ንጉስ ኣምፅኦ። ንንጉስ ከዓ “እቲ ንሹመኛታትካ ዝኣዘዝካዮም ኵሉ ይፍፅምዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም፥ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሕዎን ሂቦምዎም ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="18">ሳፋን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ወሲኹ ንንጉስ፥ “ካህን ኬልቅያስ ሓደ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ንጉስ፥ ቃል እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።</verse>
				<verse number="20">ንኬልቅያስን ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከር ንጉስን ፀዊዑ፥</verse>
				<verse number="21">“ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ።</verse>
				<verse number="23">ንሳ ድማ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦</verse>
				<verse number="24">እንሆ፥ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ መርገም ነቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቡሉ ንኢየሩሳሌምን ንህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ።</verse>
				<verse number="25">ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="27">ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ፥ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣከቦም።</verse>
				<verse number="30">እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ መፅሓፍ ኪዳን ከዓ ንዅሎም ኣብ ኣእዛኖም ኣንበበሎም።</verse>
				<verse number="31">ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ከገልግል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዚ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ።</verse>
				<verse number="32">ንኵሎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ብንያምን ዝነብሩ በዝ ነገር እዙይ ኣምሓለ። ስለዙይ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ቃል ኪዳን ኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበሩ።</verse>
				<verse number="33">ኢዮስያስ ድማ ኻብ ኵሉ ምድሪ ደቂ እስራኤል፥ ኵሉ ርኹስ ዝኾነ ነገር ኣወገዶ። ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዘገልግልዎ ገበሮም። ኢዮስያስ ብህይወት ክሳዕ ዝነበረሉ ዘመን ድማ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምምላኽ ኣይረሓቑን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ኢዮስያስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኣብዓለ፤ በታ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮስያስ ድማ ነቶም ካህናት በብእቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት መደቦም፤ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄርውን ብትግሃት ከገልግሉ ኣተባብዖም።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ንዅሉ እስራኤል ዝምህሩ፥ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ኣቕምጥዎ፤ ደጊም ኣብ ማእገርኩም ኣይትፆርዎን ኢኹም። ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ሰሎሞን ወዱን ብፅሑፍ ዝኣዘዝዎ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም፥ በብኽፍልኹም ተዳለዉ።</verse>
				<verse number="5">“ንስኻትኩም በብማይ ቤት ተመዲብኩም ነንኽፍሊ ማይ ቤት ህዝቢ እስራኤል ክተገልግሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ቁሙ፤ መስዋእቲ ፋሲካውን ሕረዱ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩምውን ተቐደሱ፤ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽፍፅሙስ፥ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።”</verse>
				<verse number="7">ንጉስ ኢዮስያስ ድማ እቶም ደቂ ህዝቢ ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎ፥ ካብ መጓሰኡ ሰላሳ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሽሕ ኣብዑርን ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ሹመኛታቱውን ብፍቓዶም ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝኸውን፥ ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ቤት እግዚኣብሄር ዝኾኑ ኬልቅያስን ዘካርያስን ይሒኤልን ድማ እቶም ካህናት ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእቲ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ዝኾኑ ኮናንያን ሸማያን ናትናኤልን ኣሕዋቱን ሓሸብያን ይዒኤልን ዮዛባትን ድማ፥ ሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ሓሙሽተ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሓሙሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ኸምዙይ ኢሉ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብትእዛዝ ንጉስ በብኽፍሎም ኣብ በቦታኦም ቆሙ።</verse>
				<verse number="11">መስዋእቲ ፋሲካ ሓረዱ እሞ፥ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢድ ሌዋውያን እናተቐበሉ፥ ኣብቲ መሰውኢ ነፀግዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ገፈፍዎ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡሉን፥ ነቶም ህዝቢ በብኽፍሊ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምእንቲ ኽዕድልዎምን፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ስጋ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገይሮም መቐልዎም።</verse>
				<verse number="13">ነቲ መስዋእቲ ፋሲካ ድማ ኸምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፤ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸዓ ብቝራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፥ ንዅሎም ነቶም ህዝቢ ቐልጢፎም ዓደልዎም።</verse>
				<verse number="14">ድሕሪዙይ ድማ እቶም ሌዋውያን ብምጥባሕ፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሕታትን ብምዕራግ ክሳዕ ለይቲ ስለ ዝሰርሑ፥ እቶም ሌዋውያን ንኣኣቶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ዝበልዕዎ ስጋ ኣዳለዉ።</verse>
				<verse number="15">እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፥ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን ኤደታም እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪን ዝሰርዕዎ፥ ኣብ ስፍራኦም ቆሙ፤ እቶም ሓለውቲ በርታትውን፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፥ ካብ ሰፈሮም ከግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ዅሉ እቲ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ዝኸውን በዓል ፋሲካን ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን በታ መዓልቲ እቲኣ ተዳለወ።</verse>
				<verse number="17">ከምኡ ኸዓ እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል በዓል ፋሲካን በዓል ቅጫን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ጀሚሩ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋሲካ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኢዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ዘብዓልዎ ፋሲካ ኻብ ኵሎም ቀዳሞት ነገስታት ሓደ እኳ ኸምኡ ዝገበረ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="19">እዝ በዓል ፋሲካ እዙይ ኢዮስያስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ተገብረ።</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ኢዮስያስ ኵሉ ንቤተ መቕደስ ዘድሊ ምስ ገበረ፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ክዋጋእ ኢሉ ምስ ተልዓለ፥ ኢዮስያስ ከዓ ኽዋግኦ ወፀ።</verse>
				<verse number="21">ኒካዑ ግና ልኡኻት ሰዲዱ “ኣታ ንጉስ ይሁዳ፥ ምሳኻ እንታይ ባእሲ ኣለኒ? ኣነስ ናብቲ ዝዋግአኒ ዘሎ ፀላእየይ እየ ዝመፅእ ዘለኹ እምበር ናባኻ ኣይኮንኩን። ኣምላኽ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ ኣሎ፤ ስለዙይ እቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ከየጥፍአካስ ኣይትቃወመኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ።</verse>
				<verse number="23">ንጉስ ኢዮስያስ ብወርወርቲ ዂናት ተወግአ፤ ንሓሻኽሩ ድማ “ብብርቱዕ ተወጊአ እየ እሞ፥ ካብዙይ ኣውፅኡኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ሓሻኽሩ ኻብቲ ሰረገላኡ ኣውሪዶም ናብታ ኣብኡ ዝነበረት ካልአይቲ ሰረገላኡ ኣሕለፍዎ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣብፅሕዎ ድማ፥ ንጉስ ኢዮስያስ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐበረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ ንኢዮስያስ ሓዘኑሉ።</verse>
				<verse number="25">ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን፥ እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ዘርኣዮ ፍቕሩን ተግባሩን፥</verse>
				<verse number="27">እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮኣክስ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣንገስዎ።</verse>
				<verse number="2">ኢዮኣክስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ግብፂ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ መንግስቱ ሰዓሮ፤ ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ክትግብር ኣዘዛ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ግብፂ ድማ ንሓዉ ኤልያቄም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ፤ ስሙውን ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ፤ ኒካኡውን ንሓዉ ኢዮኣክስ ሒዙ ናብ ግብፂ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="5">ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="6">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ከዓ ተዋግኦ እሞ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ርኽሰትን መዘዝን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።</verse>
				<verse number="9">ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ።</verse>
				<verse number="10">እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።</verse>
				<verse number="11">ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእግዚኣብሄር ኣፍውን ዝተዛረበ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ርእሱ ኣየትሓተን።</verse>
				<verse number="13">ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="19">ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="22">በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ።</verse>
				<verse number="23">ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="15">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦</verse>
				<verse number="2">“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።</verse>
				<verse number="3">“ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ።</verse>
				<verse number="4">“ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።”</verse>
				<verse number="5">ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዅላቶም ከዓ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ዝህብዎ ውህብቶ፥ በቕሓ ብሩርን ወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ውህብቶታትን ሓገዝዎም።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ኣውፂኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንጉስ ቂሮስ ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="8">ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ብኢድ ሚትሪዳጡ እቲ ተሓዚ መዝገብ ኣውፂኡ ንሹም ይሁዳ ንሰሳብሳር ቈፂሩ ሃቦ።</verse>
				<verse number="9">ቍፅሩ ኸዓ፦ ሰላሳ ወርቂ ጭሐሎ፥ ሽሕ ብሩር ጭሐሎ፥ ዕስራን ትሽዓተን ካራታት፥</verse>
				<verse number="10">ሰላሳ ፅዋዕ ወርቂ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን ካልእ ዓይነት ፅዋዕ ብሩር፥ ሽሕ ካልእ ኣቕሓ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም።</verse>
				<verse number="2">እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ፋሮስ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።</verse>
				<verse number="4">ደቂ ሰፋጥያስ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።</verse>
				<verse number="5">ደቂ ኤራ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።</verse>
				<verse number="7">ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።</verse>
				<verse number="8">ደቂ ዛቱዕ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።</verse>
				<verse number="9">ደቂ ዘካይ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን።</verse>
				<verse number="10">ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ቤባይ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="12">ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።</verse>
				<verse number="13">ደቂ ኣዶኒቃም ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።</verse>
				<verse number="14">ደቂ በጉዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።</verse>
				<verse number="15">ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።</verse>
				<verse number="16">ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ ደቂ ኣጤር ተስዓን ሸሞንተን።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ቤሳይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="18">ደቂ ዮራ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።</verse>
				<verse number="19">ደቂ ሓሱም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="20">ደቂ ጋቤር ተስዓን ሓሙሽተን።</verse>
				<verse number="21">ደቂ ቤተልሔም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="22">ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሽዱሽተን።</verse>
				<verse number="23">ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።</verse>
				<verse number="24">ደቂ ኣዝሞት ኣርብዓን ክልተን።</verse>
				<verse number="25">ደቂ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="26">ደቂ ራማን ጌባን ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።</verse>
				<verse number="27">ሰብ ማክማስ ሚእትን ዕስራን ክልተን።</verse>
				<verse number="28">ሰብ ቤቴልን ጋይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="29">ደቂ ናባው ሓምሳን ክልተን።</verse>
				<verse number="30">ደቂ መጌብስ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን።</verse>
				<verse number="31">ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።</verse>
				<verse number="32">ደቂ ካሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።</verse>
				<verse number="33">ደቂ ሎድና ሓዲድን ኦኖምን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።</verse>
				<verse number="34">ደቂ ኢያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።</verse>
				<verse number="35">ደቂ ሴናኣ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን።</verse>
				<verse number="36">ካህናት፥ ደቂ ዮዳኤ ኻብ ቤት ኢያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።</verse>
				<verse number="37">ደቂ ኢሜር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።</verse>
				<verse number="38">ደቂ ፋስኮር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን።</verse>
				<verse number="39">ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።</verse>
				<verse number="40">ሌዋውያን፥ ደቂ ኢያሱን ቀድምኤልን፥ ካብ ደቂ ሆዳይዋ፥ ሰብዓን ኣርባዕተን።</verse>
				<verse number="41">ዘመርቲ፥ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።</verse>
				<verse number="42">ደቂ ኣጋፈርቲ፥ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጢልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ እዚኣቶም ኵላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።</verse>
				<verse number="43">ናታኒም፤ ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጠብዖት፥</verse>
				<verse number="44">ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥</verse>
				<verse number="45">ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ዓቁብ፥</verse>
				<verse number="46">ደቂ ኣጋብ፥ ደቂ ሰምላይ፥ ደቂ ሓናን፥</verse>
				<verse number="47">ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥ ደቂ ራያ፥</verse>
				<verse number="48">ደቂ ረኣሶ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ደቂ ጋሴም፥</verse>
				<verse number="49">ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥ ደቂ ቤሳይ፥</verse>
				<verse number="50">ደቂ ኣስና፥ ደቂ ምዑናውያን፥ ደቂ ንፋሰሲም፥</verse>
				<verse number="51">ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቁፋ፥ ደቂ ሓርሑር፥</verse>
				<verse number="52">ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሳ፥</verse>
				<verse number="53">ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥</verse>
				<verse number="54">ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።</verse>
				<verse number="55">ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥</verse>
				<verse number="56">ደቂ የዕላ፥ ደቂ ዶርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥</verse>
				<verse number="57">ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፈክራት ደቂ ሃፂቦይም፥ ደቂ ኣሚ።</verse>
				<verse number="58">እዚኣቶም ኵላቶም ናታኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።</verse>
				<verse number="59">እዚኣቶም ድማ ኻብ ቴልሜላን ካብ ቴላሬሳ ካብ ከሩብ ካብ ኣዳንን ካብ ኢሜርን ዝደየቡ ነበሩ፤ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፦</verse>
				<verse number="60">ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="61">ካብ ደቂ ካህናት ከዓ፥ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ እቲ ኻብ ኣጓላት ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ቤርዜሊ እዮም።</verse>
				<verse number="62">እዚኣቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ፥ ትውልዶም ደለዩ፤ ግናኸ ኣይተረኽቡን፤ ስለዙይ ከም ርኹሳት ተቘፂሮም ካብ ክህነት ተኸልከሉ።</verse>
				<verse number="63">እቲ ሓቴርሰታም ኸዓ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ንእግዚኣብሄር ዝጥይቕ ካህን ክሳዕ ዝትስእ ካብ ዝተቐደሰ ኣይትብልዑ በሎም።</verse>
				<verse number="64">ኵሉ እቲ ማሕበር ብምሉኡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።</verse>
				<verse number="65">ብዘይ ሓሻኽሮምን ኣግራዶምን፥ ሸውዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ኽልተ ሚእቲ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="66">ኣፍራሶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፥ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፥</verse>
				<verse number="67">ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፥ ኣእዱጎም ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።</verse>
				<verse number="68">ገሊኣቶም ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከዓ ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እታ ቦታኣ ኽሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሃቡ።</verse>
				<verse number="69">ንመዝገብ እቲ ስራሕ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ምናን ብሩር፥ ልብሲ ኻህናት ድማ ሚእቲ ሃቡ።</verse>
				<verse number="70">ካህናትን ሌዋውያንን ገሊኣቶም ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ከዓ ኣብ ከከተማኣቶም፥ ኵላቶም እስራኤልውን ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት ድማ፥ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ከምኡውን ወዲ ዘሩባቤል ሰላትያልን ኣሕዋቱን፥ ከምቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ሙሴ፥ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡሉ ተሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።</verse>
				<verse number="3">በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ቦታኡ ኣንበርዎ። ብጊሓትን ብምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="5">ድሕሪዙይ ድማ እቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ናይ ሰርቀ ወርሕን ናይ ኵሉ ቅዱስ በዓላት እግዚኣብሄር ነቲ ናይ ኵሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዝስውእዎን ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="6">ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ።</verse>
				<verse number="8">ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኢያሱ ደቁን ኣሕዋቱን፥ ደቂ ይሁዳ ቀድምኤልን ደቁን፥ ደቂ ኤንሓዳድ ከዓ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶም ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ኽሕልዉ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።</verse>
				<verse number="11">“ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፥ ምሕረቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተቐባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፥ ዓው ኢሎም ዕልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።</verse>
				<verse number="12">ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ህዝቢ እውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፤ እቲ ድምፂ ኸዓ ኽሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምፂ ሓጐስ፥ ካብ ድምፂ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እቶም ፀላእቲ ይሁዳን ብንያምን ከዓ፥ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="2">ናብ ዘሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም “ካብታ ኣስራዶን ንጉስ ኣሶር ናብዙይ ዘምፅአና መዓልቲ ጀሚርና ንኣምላኽኩም ንስውእ ኣለና፥ ከማኻትኩምውን ንደልዮ ኢናሞ፥ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ” በልዎም።</verse>
				<verse number="3">ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ብገንዘብ ዓደጉሎም። እዙይ ከዓ ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።</verse>
				<verse number="6">ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።</verse>
				<verse number="7">ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ ተፅሒፉ ነበረ እሞ፥ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጐመት።</verse>
				<verse number="8">ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ከምዙይ ኢሎም ኣንፃር ኢየሩሳሌም ደብዳበ ፀሓፉ፦</verse>
				<verse number="9">“ሽዑ ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን እቶም ዝተረፉ ተሓባበርቶም ዲናውያንን ኣፈርሳትካውያንን ጠርፈላውያንን ኣፈርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሱስናካውያንን ዴሓውያንን ኤላማውያንን፥</verse>
				<verse number="10">እቶም እቲ ዓቢይን ክቡርን ኣስናፈር ኣግዒዙ ኣብ ሰማርያን ኣብ ማዕዶ ሩባ ዘቐመጦም ካልኦት ኣህዛብን ደብዳበ ፀሓፉ።”</verse>
				<verse number="11">ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዙይ እዩ፦ “እቶም ኣብቲ ማዕዶ ሩባ ዘለዉ ባሮትካ፦</verse>
				<verse number="12">እቶም ካባኻ ናባና ዝመፁ ኣይሁድ፥ ናባና ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ እሞ ነታ ዓማፂትን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለዉ፥ መካበብያኣ ኸዓ ኸም ዝፈፀሙ መሰረታ ድማ ኸም ዘፅንዑ፥ ንጉስ ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኸዓ እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣውን እንተ ተሓዲሱ፥ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ከም ዘይኸፍሉን ኣታዊ ንጉስውን ከም ዝጐድልን፥ ንጉስ ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="14">“እምበኣርከስ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ እናበላዕና፥ ንንጉስ እንተቃልልዎ ስቕ ኢልና ምርኣይ ኣይግበአናን እዩሞ፥ ልኢኽና ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።</verse>
				<verse number="15">ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ኣቦታትካ ምርመራ ይገበር። እዛ ኸተማ እዚኣ ዓማፂት ከተማ ኸም ዝኾነት፥ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪኽ ክትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።</verse>
				<verse number="16">እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣ ኸዓ እንተ ተሓዲሱ፥ ሰገር ንየው ሩባ፥ ክፍሊ ኸም ዘይብልካ፥ ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።”</verse>
				<verse number="17">ንጉስውን ንሬሑም ሹምን ንሲምሳይ ፀሓፍን ነቶም ኣብ ሰማርያን ኣብ ካሊእን ኣብ ሰገር ንየው ሩባ ዝተረፉ ብፆቶምን ከምዙይ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፦</verse>
				<verse number="18">“ሰላም፤ እታ ናባይ ዝሰደድኩምዋ ደብዳበ ተተርጒማ፥ ብግልፂ ኣብ ቕድመይ ተነቢባ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ድማ ኽምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፥ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ነገስታት ከም ዝተስአት፥ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም ዝተገብረ ተረኽበ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">እምበኣርከስ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዝወሃብ፥ እቶም ሰባት ስራሕ ከቑሙ፥ እታ ኸተማ ኸዓ ኸይትስራሕ ኣዝዙ።</verse>
				<verse number="22">በዝ ነገር እዙይ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። እቲ ንነገስታት ዝጐድእ ክፉእ ነገር ስለ ምንታይ እናበዝሐ ዝኸይድ?”</verse>
				<verse number="23">እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ቅድሚ ሬሑምን ሲምሳይ ፀሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብፆቶምን ምስ ተነበበት፥ ቀልጢፎም ናብ ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፥ ብቕልፅምን ብሓይልን ካብ ምስራሕ ኣብኰርዎም።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ስራሕ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በዀረ፤ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስውን ተቛረፀ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">በቲ ጊዜ እቱይ ኣብ ሰገር ማዕዶ ሩባ መስፍን ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን ናብኣቶም መፂኦም፦ “ነዝ ቤት እዙይ ክትሰርሕዎ፥ ነዝ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ መን ኣዘዘኩም?” በልዎም።</verse>
				<verse number="4">መሊሶም ድማ “ስም እቶም ነዝ ህንፃ እዙይ ዝሃነፁ መን ይበሃሉ?” ኢሎም ጠየቕዎም።</verse>
				<verse number="5">ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ናብ ዳርዮስ በፂሑ መልሱ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ስራሕ ኣይከልከልዎምን።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ገዛኢ ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ዝነብሩ ብፆቶም ኣፋርሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዎ ናይ ፅሑፍ፥ ቅዳሕ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝለኣኽዎ ፅሑፍውን ከምዙይ ዝብል ነበረ፦ “ንንጉስ ዳርዮስ፥ ሰላም ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ንሕና ናብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፥ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸዓ ብዓበይቲ ኣእማን ትንደቕ ኣላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕፃው ይግበሮ ኣሎ። እዝ ስራሕ እዙይ ብጥንቃቐ ይስራሕ ኣሎ፤ ኣብ ኣእዳዎም ከዓ ይሰልጠሎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">“ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፤ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፥ ነዚ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ፥ መን ኣዘዘኩም፥ ኢልና ጠየቕናዮም።</verse>
				<verse number="10">ስም እቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተሸሙ ሰባት ምእንቲ ኽንፅሕፍሞ ክነፍልጠካ ኢልና፥ ስሞም ጠየቕናዮም።</verse>
				<verse number="11">“ዝሃቡና መልሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ‘ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። እዝ ሕዚ እንሰርሖ ዘለና ቤት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑዎ ዝነበረ ቤት ንሰርሕ ኣለና።</verse>
				<verse number="12">ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣቘጥዕዎ ግና፥ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ነዝ ቤት እዙይ ኣፍረሰ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ኣፍለሶ።</verse>
				<verse number="13">“ ‘ይኹን እምበር ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እዝ ቤት እግዚኣብሄር እዙይ ንኽስራሕ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="14">ናቡከደነፆር ካብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣውፂኡ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘቐመጦም ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን፥ ንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ ኣውፅኦ፤ መስፍን ገይርዎ ንዝነበረ ሰሳብሳር ንዝበሃል ድማ ሃቦ።</verse>
				<verse number="15">ነዝ ኣቑሑ እዙይ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፤ እቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቕድም ዝነበሮ ቦታ ይሰራሕ በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ሰሳብሳር መፂኡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር መስረቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ድማ ኣይተፈፀመን።’</verse>
				<verse number="17">“እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ እንተ ደኣ ኣቢልዎስ፥ እዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክስራሕ፥ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተኣዚዙ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዛግብቲ ንጉስ ይደለ፤ ብዛዕባ እዙይ ከዓ ንጉስ ፍቓዱ ይልኣኸልና።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ እቶም ኣብ ባቢሎን ቤተ መዛግብቲ ዘለዉ መፃሕፍቲ ንኽምርመሩ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ኣሕምታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣዳራሽ፥ እዝ ነገር እዙይ ንመዘከርታ ዝተፅሓፎ ሓደ ዝተጠቕለለ ፅሑፍ ተረኽበ፦</verse>
				<verse number="3">ብቐዳመይቲ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ቂሮስ፥ ስለ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም እትስራሕ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጉስ ቂሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ “እቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ዝስውኡሉ ቦታ እንደገና ይሰራሕ፤ መሰረቱውን ፅኑዕ ይኹን። ቁመቱ ስሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ስሳ እመት፥</verse>
				<verse number="4">ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕንፀይቲ ይኹን። መስርሒኡ ኸዓ ኻብ ቤተ መንግስቲ ግምጃ ቤት ይከፈል።</verse>
				<verse number="5">እቲ ናቡከደነፆር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን ከዓ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቦታኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመለስ፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይቀመጥ።”</verse>
				<verse number="6">“እምበኣር፥ ኣታ ተንትናይ መስፍን ሰገር ንየው ሩባ፥ ንስኻ ሽታር ቦዝናይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ብፆቶም ሰብ ኣፋርሳክ፥ ሰገር ንየው ሩባ ዘለኹም፥ ካብኡ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰራሕ ሕደግዎም፤ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ይስርሕዎ።</verse>
				<verse number="8">“ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትገብሩሎም ዝግባእ፥ ነዝ ቤት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሰርሑ፥ እቲ ስራሕውን ምእንቲ ኸይበኵርስ፥ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብቲ ኻብ ሰገር ንየው ሩባ ዝወፀ ግብሪ፥ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ብቕልጡፍ ክወሃብ ኣዚዘ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኸቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከዓ ኽፅልዩስ፥ ኵሉ ዘድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፥ ኵሉ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም፥ በብመዓልቱ ኸየብኰርኩም ሃብዎም።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">“ነዝ ትእዛዝ እዙይ ዝለወጠ ሰብ ድማ ናይ ገዛኡ ዓምዲ ተነቒሉ ንሱ ይሰቐለሉ።</verse>
				<verse number="12">ነዝ ትእዝዝ እዙይ ንምፍራስ ወይ ከዓ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንምጥፋእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ፥ ስሙ ኣብኡ ኽነብር ዝገበረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ፤ ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዚዘ ኣለኹ፤ በጥንቃቐ ድማ ይፈፀም።”</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ተንትናይ፥ እቲ መስፍንን ሰገር ንየው ሩባን፥ ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን፥ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፥ ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐ ፈፀምዎ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከዓ፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነቢይ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ሰሪሖም ፈፀምዎ።</verse>
				<verse number="15">እዝ ቤት እዙይ ድማ ብሻድሻይ ዓመት መንግስቲ ዳርዮስ፥ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="16">ደቂ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፥ ነቲ ምቕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ተሓጒሶም ኣብዓልዎ።</verse>
				<verse number="17">ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኸዓ፥ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲካ ኣኽበሩ።</verse>
				<verse number="20">ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ነፂሆም ነበሩ እሞ ዅላቶም ነፅሁ። እቶም ሌዋውያንውን ነቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ዅላቶምን ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልዩ ኻብ ርኸሰት ህዝቢ እታ ሃገር ተፈልዮም ናብኣቶም መፂኦም ዝነበሩ ዅላቶም በልዑ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ብመንግስቲ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ፥ እዝራ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥</verse>
				<verse number="2">ወዲ ሰሎም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ ኣኪጦብ፥</verse>
				<verse number="3">ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ መራዮት፥</verse>
				<verse number="4">ወዲ ዘራእያ፥ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ቡቂ፥</verse>
				<verse number="5">ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥</verse>
				<verse number="6">እዝ እዝራ ካብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፈጣን ፀሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ፥ ዝደለዮ ዅሉ ንጉስ ሃቦ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።</verse>
				<verse number="8">ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሐ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፤ እታ ሕያወይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረት፥ በታ ሓምሸይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።</verse>
				<verse number="10">እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፥ ስርዓትን ፍርድን ከዓ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ኣርጤክስስ ብዛዕባኡ እዝራ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝተውሃበ ትእዛዛትን ሕግጋትን ዝፅሕፍ ፀሓፊ፥ ዝሃቦ ፅሑፍ እቲ ቅዳሕ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="12">“ካብ ንጉሰ ነገስት ኣርጤክስስ፥ ንፀሓፊ ኣምላኽ ሰማይ ንኻህን እዝራ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን።</verse>
				<verse number="13">“ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ዝደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ዅሉ፥ ምሳኻ ይኺድ፥ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክትምርምር፥ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን፥ ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ውህብቶ፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፥ ካብ ንጉስን ካብቶም ሸውዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">ሕዚ ድማ በዝ ገንዘብ እዙይ ጌርኩም ዝራብዓትን ማጓሉን ጥቦታትን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስተኦምን ተጊህኻ ዓድግ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦም።</verse>
				<verse number="18">“በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከዓ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ መሲሉ እተርኣየኩም፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ንምግልጋል ቤት እግዚኣብሄር ዝተውሃበካ ኣቑሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ሃብ።</verse>
				<verse number="20">ንቤት ኣምላኽካ ዘድሊ ኽትህብ ዝግብአካ ኻልእ ነገር ከዓ፥ ካብ ቤት መዝገብ ንጉስ ኣውፂእኻ ሃብ።</verse>
				<verse number="21">“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ድማ ነቶም ሰገር ንየው ሩባ ዘለዉ ዅሎም ተሓዝቲ መዛግብቲ ኣዚዘ ኣለኹ፤ እቲ ፀሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ካህን እዝራ ኻባኻትኩም ዝደልዮ ዅሉ ኽሳዕ ሚእቲ መክሊት ብሩርን፥ ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ ወይንን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ ዘይትን፥ ጨው ከዓ ብዘይ ስፍሪ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ?</verse>
				<verse number="24">ንዅላቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ነዝ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፥ ዝኾነ ግብርን ፈሰስን ቀረፅን ክወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="25">ንስኻ እዝራ ድማ፥ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ሰገር ንየው ሩባ ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ዝዳንዩ፥ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዝፈልጡ ዅላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ሹመሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ እንተ ሃልዩ ኸዓ መሃርዎ።</verse>
				<verse number="26">ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይፍፅም ከዓ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ፥ ወይ ንማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።”</verse>
				<verse number="27">“ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።”</verse>
				<verse number="28"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፤ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርጤክስስ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸዓ መፅሓፍ ወለዶኦም እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ካብ ደቂ ፊንሃስ፥ ጌርሶን፤ ካብ ደቂ ኢታምር፥ ዳንኤል፤ ካብ ደቂ ዳዊት፥ ሓጡስ፤</verse>
				<verse number="3">ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ካብ ደቂ ፋሮስ፥ ዘካርያስ፤ ከምቲ ፅሑፍ ትውልዶም ከዓ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ኣወዳት ብትውልዲ ተቘፀሩ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ደቂ ፋሓት፥ ሞዓብ፤ ኤሊሆዔናይ ወዲ ዘራእያ፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="5">ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ወዲ የሕዚኤል፤ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="6">ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፥ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፤ ምስኡውን ሓምሳ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="7">ካብ ደቂ ዔላም ከዓ፥ የሻያ ወዲ ጎቶልያ፤ ምስኡውን ሰብዓ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="8">ካብ ደቂ ሰፋጥያስ ድማ፥ ዝባድያ ወዲ ሚካኤል፤ ምስኡውን ሰማንያ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="9">ካብ ደቂ ኢዮኣብ፥ ኣብድዩ ወዲ ይሒኤል፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣወዳት።</verse>
				<verse number="10">ካብ ደቂ ሰሎሚት ከዓ፥ ወዲ ዮሲፍያ፤ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ኣወዳት።</verse>
				<verse number="11">ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ፥ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፤ ምስኡውን ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳት።</verse>
				<verse number="12">ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፥ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፤ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ኣወዳት።</verse>
				<verse number="13">ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕረዎት ስሞም እዙይ እዩ፦ ኤሊፋላት፥ ይዑኤል፥ ሸማያ፥ ምስኣቶምውን ስሳ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="14">ካብ ደቂ በጉዋይ ከዓ፤ ዑታይን ዘቡድን፥ ምስኣቶምውን ሰብዓ ኣወዳት።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ህዝቢ ናብ ኣህዋ ኣቢሉ ናብ ዝውሕዝ ሩባ ድማ ኣከብክዎም። ኣብኡ ኸዓ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ንህዝብን ካህናትን ቈፂረ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ነቶም ኣሕሉቕ፥ ናብ ኣልኣዛር፥ ናብ ኣርኤል፥ ናብ ሸማያ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ያሪብ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ናታን፥ ናብ ዘካርያስ፥ ናብ ሜሱላም፥ ናብቶም መምህራን ከዓ ናብ ዮያሪብን ናብ ኤልናታንን ለኣኽኩ።</verse>
				<verse number="17">ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፥ ናብ ኣዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ቤተ መቕደስ ካሲፍያ ንዝነበሩ ንኣዶን ነሕዋቱን ንናታኒምን፥ ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸዓ፥ ክዛረብዎም ዝግብኦም ቃላት ነጊረ ሰደድክዎም።</verse>
				<verse number="18">እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፥ ካብ ደቂ ሞሖሊ የመና ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ እስራኤል ሰራብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ሸሞንተ ኣምፅኡልና።</verse>
				<verse number="19">ከምኡውን ንሓሸብያ፥ ምስኡ ድማ ንየሻያ ኻብ ደቂ ሜራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ ኣወዳት ኣምፅኡልና።</verse>
				<verse number="20">ካብ ናታኒም ድማ ዳዊትን ኣሕሉቕን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመረፅዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ናታኒም ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ዅላቶም ሰደዱልና። እዚኣቶም ኵሎም በብስሞም ተመዝገቡ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።</verse>
				<verse number="22">ንንጉስ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንዝደልይዎ ዅላቶም ንፅቡቕ፥ ስልጣኑን ቍጥዓኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፥ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኻብ ፀላእቲ ኸድሕኑና፥ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ።</verse>
				<verse number="23">ብዛዕባ እዙይ ከዓ ፆምናን ናብ ኣምላኽና ፀለናን፤ ንሱ ድማ ሰምዐና።</verse>
				<verse number="24">ካብ ሊቃነ ኻህናት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሰባትን፥ ሰራብያን ሓሸቢያን፥ ምስኣቶም ድማ ኻብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈለኹ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ንጉስን መማኽርቱን ኣሕሉቑን፥ እቶም ካብ እስራኤል እተረኽቡ ዅላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ውህብቶኦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዚነ ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="26">ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን መክሊት ብሩር፥ ኣቑሑ ብሩር ድማ ሚእቲ መክሊት፥ ወርቂ ሚእቲ መክሊት፥ ዕስራ ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ ሽሕ ዳሪክ ዝተመዝነ፥ ክልተ ጭሐሎ ድማ ኸም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ፅሩይ ዘንፀባርቕ ነሃስ እተሰርሐ ኣቑሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልዉን” በልክዎም።</verse>
				<verse number="30">እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ናብ ቤት ኣምላኽና ናብ ኢየሩሳሌም ክወስድዎ ወርቅን ኣቑሑን ብሚዛን ተረከቡ።</verse>
				<verse number="31">ብቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ክንከይድ፥ ካብ ሩባ ኣህዋ ተልዓልና። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ነበረት እሞ ኣብ መንገዲ ኻብ ኢድ ፀላእን ካብ ዘድብዩን ኣድሓነትና።</verse>
				<verse number="32">ናብ ኢየሩሳሌም ድማ በፃሕና፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ቀነይና።</verse>
				<verse number="33">በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን እቲ ኣቑሑን፥ ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ ሜሪሞት ወዲ ኻህን ኦርዮ ተመዘነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሓስ ነበረ፤ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሌዋውያን፥ ዮዛባት ወዲ ኢያሱን፥ ኖዓድያ ወዲ ቢንዊን ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">ኵሉ ተቘፀረን ተመዘነን፤ በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ዅሉ እቲ እተመዘነ ተመዝገበ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ከዓ ንኣኣቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፥ ነቲ ቕዱስ ዘርኢ ኸዓ ምስ ኣህዛብ ምድሪ እዘን ሃገራት እዚኣተን ስለ ዝሓወሱ እዩ። ነዝ ዓመፃ እዙይ ዋናታት ዝኾኑውን እቶም መራሕቶምን ሹመኛታቶምን እዮም” በሉኒ።</verse>
				<verse number="3">ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ።</verse>
				<verse number="5">ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን።</verse>
				<verse number="7">ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና።</verse>
				<verse number="10">“ኦ ኣምላኽና እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ንሳ ብርኽሰት እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትፀንዑን ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፥ ደቅኹም ከዓ ንዘለኣለም ክወርስዋስ፥ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ኣይትድለዩ ኢልካ ብባሮትካ ነቢያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥ ሕዝኸ ድሕሪዙይ እንታይ ክንብል ኢና?</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">“እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር።</verse>
				<verse number="14">ትእዛዝካ ኽነፍርስ ተመሊስና ኢናሞ፥ ምስ እዞም ርኹስ ስራሕ ዝሰርሑ ኣህዛብውን ተዋሲብና ኢናሞ፥ ካባና ኻብ ሞት ዘምልጥ ኽሳዕ ዘይህሉ ፈፂምካ ኣይትቈጠዐና።</verse>
				<verse number="15">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ደቂ ዔላም ሴኬንያ ወዲ ይሒኤል ንእዝራ ኸምዙይ በሎ፦ “ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕዚ ኸዓ በዝ ነገር እዙይ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">እምበኣርከስ ሕዚ ኸም ምኽሪ ጐይታይን ከም ምኽሪ እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሑን ሰባት፥ ንዅለን ኣንስትን እቶም ካብኣተን እተወለዱን ንስደድ፤ ምስ ኣምላኽና ቃል ኺዳን ንእቶ፤ ከም ሕጉውን ይፈፀም።</verse>
				<verse number="4">እዝራ፥ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ ይግባእ እዩሞ ተስእ፤ ተቢዕኻ ግበሮ፤ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።”</verse>
				<verse number="5">ሽዑ እዝራ ተሲኡ ነሕሉቕ ካህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን እዝ ነገር እዙይ ክፍፅሙ ኣምሓሎም፤ ንሳቶም ከዓ መሓሉ።</verse>
				<verse number="6">እዝራ ድማ ኻብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ኣተወ። ናብኡ ኸይዱ ኸዓ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጒሂ ነበረ እሞ እንጀራ ኣይበልዐን ማይውን ኣይሰተየን።</verse>
				<verse number="7">እቶም ደቂ ምርኮ ዅሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ ድማ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣዋጅ ተነግረ።</verse>
				<verse number="8">ከም ምኽሪ እቶም ኣሕሉቕን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ፥ ገንዘቡ ይወረስ፤ ንሱ ድማ ኻብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወፁ ይፈለ ተብሂሉ ተኣወጀ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">እዝራ እቲ ኻህን ከዓ ብድድ ኢሉ “ንስኻትኩም ንዓመፅ እስራኤል ክተብዝሑ፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ዅሎም እቶም ጉባኤ፥ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብአና እዩ።</verse>
				<verse number="13">ይኹን እምበር እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፤ ጊዜኡ ኸዓ ጊዜ ዓቢዪ ዝናም እዩሞ፥ ኣብ ደገ ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዝ ነገር እዙይ ብዙሕ በዲልና ኢና እሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ እቶም ኣሕሉቕና ኽንዲ እቲ ጉባኤ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረኸበና ብርቱዕ ቝጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ ዝምለስ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፥ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፥ ምስኣቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ዅለን ከተማታትን ብምዱብ ጊዜ ይምፅኡ።”</verse>
				<verse number="15">ዮናታን ወዲ ኣሳሄልን የሕዝያ ወዲ ቴቁዋን ጥራሕ ነዙ ነገርዙይ ተቓወሙ፤ ሜሱላምን ሳባታይ ሌዋዊን ከዓ ደገፍዎም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ደቂ ምርኮውን ከምኡ ገበሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስማቶም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ክምርምሩ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="17">ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ዅሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ደቂ ካህናት ከዓ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰባት ተረኸቡ፤ ካብ ደቂ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ኣሕዋቱን ድማ ማዕሴያን ኣልኣዛርን ያሪብን ጎዳልያስን፥</verse>
				<verse number="19">ኣንስቶም ክፈትሑ ኣእዳዎም ሃቡ። ስለ በደሎምውን፥ ካብ መጓሰኦም ሓድሓደ ማጕላ መስዋእቲ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ደቂ ኢሜር ድማ፥ ኣናኒ ዝባድያ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ደቂ ካሪም ከዓ መዕሴያ ኤሊያስን ይሒኤልን ዖዝያን።</verse>
				<verse number="22">ካብ ደቂ ፋስኩርውን፥ ኤልዮዔናይ፥ መዕሴያ፥ ይስማኤል፥ ናትናኤል፥ ዮዛባት ኤልዓሳ።</verse>
				<verse number="23">ካብ ሌዋውያን ድማ፥ ዮዛባት ሰሜዒ ቆሊጣስ ዝበሃል ቆልያ፥ ፈታያ፥ ይሁዳ፥ ኣልዓዛር።</verse>
				<verse number="24">ካብ መዘምራንውን፥ ኤልያሴብ፥ ካብ ሓለውቲ በሪ ሰሎም፥ ጤሌም፥ ኡሪ።</verse>
				<verse number="25">ካብቶም ካልኦት ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ዘርኢ ፋሮስ፥ ራምያ፥ ይዝያ፥ መልክያ፥ ሚያሚን፥ ኣልዓዛር፥ መልክያ፥ በናያስ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ደቂ ዔላም፥ ሙታንያን፥ ዘካርያስ፥ ይሒኤል፥ ዓብዲ፥ ይሬሞት፥ ኤልያ።</verse>
				<verse number="27">ካብ ደቂ ዛቱዕውን ኤልዮ ኤናይ፥ እልያሴብ፥ ሙታንያ፥ ይሬሞት፥ ዛባድን ዓዚዛ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ ይሆሓና ሓናንያ ዘባይን ዓጥላይ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ደቂ ባኒ ድማ ሜሱላም፥ መሉክ፥ ዓዳያ፥ ያሱብ፥ ሸኣል፥ ራሞት።</verse>
				<verse number="30">ካብ ደቂ ፈሓት ሞኣብ ከዓ ዓድና፥ ክላል፥ በናያስ፥ መዕሴያ፥ ሙታንያ፥ ባስልኤል፥ ቢንዊ፥ ምናሴ።</verse>
				<verse number="31">ካብ ደቂ ካሪም ድማ ኣልዓዛር፥ ይሺያ፥ መልክያ።</verse>
				<verse number="32">ሸማያ፥ ስምኦን፥ ብንያም፥ መሉክ፥ ሰማራያ።</verse>
				<verse number="33">ካብ ደቂ ሓሱም፥ መትናያ፥ መተታ፥ ዛባድ፥ ኤሊፋላት፥ ይሬማይ፥ ምናሴ፥ ሰሜዒ።</verse>
				<verse number="34">ካብ ደቂ ባኒ፥ መዕዳይ፥ ዓምራም፥</verse>
				<verse number="35">ኡኤል፥ በናያስ፥ ቤድያ፥ ኬልቅያ፥</verse>
				<verse number="36">ወንያ፥ ሜሪሞት፥ ኤልያሴብ፥</verse>
				<verse number="37">መታንያ፥ መትናይ፥ የዕሱ፥</verse>
				<verse number="38">ባኒ ቢንዊ ሰሜኢ፥</verse>
				<verse number="39">ሰሌምያ፥ ናታን፥ ዓዳያ፥</verse>
				<verse number="40">መክናድባይ፥ ሴሴይ፥ ሸራይ፥</verse>
				<verse number="41">ኤዝርኤል፥ ሴሌምያን፥ ሰማራያ፥</verse>
				<verse number="42">ሰሎም ኣማርያ፥ ዮሴፍ።</verse>
				<verse number="43">ካብ ደቂ ናባው፥ ይዔኤል፥ መቲትያ፥ ዛባድ፥ ዘቢና፥ ያዳይ፥ ኢዮኤል፥ በናያስ እዮም።</verse>
				<verse number="44">እዚኣቶም ኵሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፤ ካብኣተንውን ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበራ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="16">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ነህምያ ወዲ ሓካልያ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ሓናኒን ካልኦት ሰባትን ካብ ይሁዳ መፁ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡን፥ ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ጠየቕክዎም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ድማ “እቶም ካብ ምርኮ ዝደሓኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱን፥ ኣብ ሃገሮም ብብዙሕ መከራን ፀርፍን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከዓ ፈሪሱ እዩ፤ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂሉ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ።</verse>
				<verse number="4">እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ድማ በልኩ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ! ዓቢይን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ቃል ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥</verse>
				<verse number="6">እዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ብእዝንኻ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣዒንትኻ ይከፈታ፤ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤልውን እናዘዘልካ ኣለኹ፤ ኣነን ቤት ኣቦይንውን በዲልና ኢና።</verse>
				<verse number="7">ንሕና የመና በዲልናካ ኢና፤ ነቲ ብሙሴ ባርያኻ ጌርካ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግጋትን ስርዓታትን ድማ ኣይሓለናዮን።</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ኸዓ ነቲ ንሙሴ ባርያኻ ዝበልካዮ ዘክር፦ ‘እንተ በደልኩምኒ ኣነ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ።</verse>
				<verse number="9">ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’</verse>
				<verse number="10">“ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርቱዕ ቅልፅምካን ዝተቤዘኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስ ከዓ “ዘይሓመምካ እንተለኻ፥ ገፅካ ዝሓዘነስ እንታይ ኴንካ ኢኻ? እዙይስ ሓዘን ልቢ ደኣ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን” በለኒ። ሽዑ የመና ፈራሕኩ፤</verse>
				<verse number="3">መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ።</verse>
				<verse number="5">መሊሰ ድማ “ንጉስ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ሓሽከርካ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ሞገስ ረኺበ፥ ነታ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ” በልክዎ።</verse>
				<verse number="6">እታ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ ንጉስ ድማ፥ “ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ? መኣዝከ ትምለስ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ኣነ ኸዓ ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቘፂረ ነገርክዎ። እቲ ንጉስውን ተሓጒሱ ኽሰደኒ ደለየ።</verse>
				<verse number="7">መሊሰ ድማ “ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ፥ እቶም ኣብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዘለዉ መሳፍንቲ፥ ክሳዕ ምድሪ ይሁዳ ዝበፅሕ ምእንቲ ኸሕልፉኒ፥ ትእዛዝካ ብፅሑፍ ይወሃበኒ” በልክዎ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንጉስ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። ናብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ምስ በፃሕኹ ድማ እቲ ናይ ንጉስ መልእኽትታት ነቶም መሳፍንቲ ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="10">ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።</verse>
				<verse number="11">ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኸድኩ፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተቐመጥኩ፥</verse>
				<verse number="12">ብለይቲ ተሳእኹ፤ ምሳይ ድማ ውሑዳት ሰባት ነበሩ። እቲ ኣነ ንኢየሩሳሌም ክገብረላ፥ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸዓ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። እንትርፊ እታ ኣነ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ ኻልኦት እንስሳ ምሳይ ኣይነበራን።</verse>
				<verse number="13">ብለይቲ ድማ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ወፃእኹ፤ ኣብ መንፅር ዒላ ገበልን ኣብ ደገ መጕሓፍን ኣቢለ ኸዓ፥ እቲ ዝፈረሰ ቕፅሪ ኢየሩሳሌምን እቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ደገታታን ረአኹ።</verse>
				<verse number="14">ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓፅቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ። እታ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ሩባ ሩባ እናደየብኩ ነቲ ቕፅሪ እሪኦ ነበርኩ። ድሕሪዙይ ዘወር ኢለ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ኣትየ ተመለስኩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ናይታ ኸተማ ኣሕሉቕ ግና ኣነ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይሁድ፥ ንኻህናት ወይ ንዓበይቲ ወይ ንሹመኛታት ወይ ነቶም ካልኦት ስራሕ ክሰርሑ ዘለዎም ፈፂመ ኣይነገርኩን።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="18">ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝኾነን ከም ዝሓገዘንን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ “ንለዓል እሞ ንስራሕ” በሉ። ነእዳዎምውን ነቲ ፅቡቕ ስራሕ ኣፅንዕወን።</verse>
				<verse number="19">ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ።</verse>
				<verse number="2">ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ፤ ዘኩር ወዲ ኣምሪውን ካብኡ ዝቕፅል ነደቐ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="4">ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።</verse>
				<verse number="5">ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን።</verse>
				<verse number="6">ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ።</verse>
				<verse number="7">ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ድማ መልጥያና እቲ ገባዖናዊን ያዶን እቲ ሜሮኖታዊን እቶም ሰብ ገባዖንን ምፅጳን ክሳዕ ኣዳራሽ እቲ ገዛኢ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ነደቑ።</verse>
				<verse number="8">ዑዝኤል ወዲ ሓርሃያ፥ ሰራሒ ወርቂ ኸዓ፥ ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሃናንያ ኻብቶም ቀመምቲ ሽቱ ድማ፥ ካብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ንኢየሩሳሌም ከዓ ኽሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ነደቕዋ።</verse>
				<verse number="9">ረፋያ ወዲ ሆር፥ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌም ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ።</verse>
				<verse number="10">ይዳያ ወዲ ኤርማፍ ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ኣብ መንፅር ቤቱ ነደቐ። ሓጡስ ወዲ ኣስበንያ ድማ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።</verse>
				<verse number="11">መልክያ ወዲ ካሪምን ኣሱብ ወዲ ፊሓት ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግንቢ እቶን ነደቑ።</verse>
				<verse number="12">ሰሎም ወዲ ኣሎኤስ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌምን ኣዋልዱን ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ።</verse>
				<verse number="13">ሓኖንን ኣብ ከተማ ዛኖዋ ዝነብሩን ከዓ ንበሪ እቲ ለሰ ሓደስዎ፤ ነዲቖምውን መዓፁ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ክሳዕ ደገ እቲ ምጕሓፍ ጐድፍ ኣርባዕተ ሚእትን ኣርብዓን ሜትር ዝምንዋሑ ቕፅሪ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="14">መልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ቤትሃካሪም ከዓ ነቲ በሪ መደርበዪ ጐሓፍ ሓደሶ፤ ነዲቑውን መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትን ገበረሉ።</verse>
				<verse number="15">ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="16">ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።</verse>
				<verse number="17">ብድሕሪኡ ዝሰርሑ ሌዋውያን፦ ሬሑም ወዲ ባኒ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ። ኣብ ጥቓኦም ድማ ሓሸብያ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ቅዒላ፥ ክንዲ ግዝኣቱ ኣልጊቡ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="18">ብድሕሪኡ በዋይ ወዲ ኤንሓዳድ፥ ሹም እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላን ኣሕዋቱን ሓደሱ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ።</verse>
				<verse number="20">ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="21">ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="22">ብድሕሪኡ እቶም ናይ ቈላ ሰባት እቶም ካህናት ሓደሱ።</verse>
				<verse number="23">ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="24">ቢንዊ ወዲ ኤንሓደድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያስ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="25">ፋላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዘንን፥ እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤት ንጉስ ወፃኢ ዘሎ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ሰፈር ሓለውቲ ነደቐ። ብድሕሪኡ ድማ ፈዳያ ወዲ ፋኖስ ሰርሐ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ናታኒምውን ኣብ ዖፌል ዝቕመጡ፥ ክሳዕ መንፅር ደገ ማይ ብወገን ምብራቕን፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዝነበረ ግንብን ሓደሱ።</verse>
				<verse number="27">ብድሕሪኡ እቶም ቴቁሓውያን ካልእ ክፍሊ ኻብ መንፅር እቲ ውፁእ ዓብዪ ግንብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ዘሎ ኣዐረዩ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ በሪ ኣፍራስ ዘሎ መመንፅር ቤቶም ሓደሱ።</verse>
				<verse number="29">ብድሕሪኡ ሳዶቅ ወዲ ኢሜር ኣብ መንፅር ቤቱ ዘሎ ሓደሰ። ብድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሴኬንያ፥ ሓላዊ በሪ ምብራቕ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="30">ብድሕሪኡ ሓናንያ ወዲ ሰላምያን ሃኑን ሻድሻይ ወዱ ንፃላፍን ካልእ ክፍሊ ቐፂሎም ሓደሱ። ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="31">ብድሕሪኡ መልክያ፥ እቲ ሰራሒ ወርቂ፥ ክሳዕ ናታኒምን ክሳዕ ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንፅር በሪ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።</verse>
				<verse number="32">ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ሰንባላጥ፥ ንሕና ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፥ ተቘጥዐን የመናውን ሓረቐን፤ ብኣይሁድውን ኣላገፀ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="3">ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኸዓ “ኦ ኣምላኽና፥ ስማዕ! ተንዒቕና ኢና እሞ ላግፃኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣቘጢዖምኻ እዮም እሞ በደሎም ኣይትሕደገሎም፤ ሓጢኣቶም ድማ ኣይትደምስሰሎም” ኢለ ፀለኹ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝሰርሑ፥ ነቲ ቕፅሪ ነደቕናዮ፤ ምብራኹውን ክሳዕ ፍርቂ ኣብፃሕናዮ።</verse>
				<verse number="7">ሰንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ኣሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝሰለጠን፥ እቲ ፍርስራስውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ።</verse>
				<verse number="8">ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መፂኦም ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተመሓሓሉ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና።</verse>
				<verse number="10">ህዝቢ ይሁዳ ድማ “ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፤ እቲ ፍርስራስ ከዓ ብዙሕ እዩ፤ በዝ ምኽንያትዙይ ቅፅሪ ኽንነድቕ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ፀላእትና ድማ “ኣብ ማእኸሎም ክሳዕ እንኣቱን ክሳዕ እንቐትሎምን፥ ስራሕቶምውን ክሳዕ እነቑሞ፥ ኣይፈልጡን ኣይሪኡን እዮም” በሉ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ እናመፁ “ካብ ኵለን ቦታታት ናባና ተመለሱ” ኢሎም ዓሰርተ ሻዕ ነገሩና።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ኣነ ነቶም ህዝቢ ብድሕሪ እቲ ቕፅሪ፥ በቲ ዘይተመልአ ቕሉዕ ስፍራታት በብማይ ቤቶም ኣስይፍቶምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ከም ዝብሉ ገበርክዎም።</verse>
				<verse number="14">ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ፀላእትና እዝ ነገር እዙይ ኸም ዝፈለጥና፥ ኣምላኽ ከዓ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ ንሕና ዅላትናውን ናብቲ ቕፅሪ፥ ነፍሲ ወከፍና ድማ ነናብ ስራሑ ተመለስና።</verse>
				<verse number="16">ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻኽረይ ፍርቆም ይሰርሑ ነበሩ፤ ፍርቆም ድማ ዅናትን ዋላቱን ቀስትታትን ሒዞም ድርዒውን ተኸዲኖም ደው በሉ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ካብ ኵሉ ቤት ይሁዳ ብድሕሪት ይቖሙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ቅፅሪ ዝነድቁን እቶም ተሸከምትን ድማ ብሓደ ኢዶም ይሰርሑ ነበሩ፤ ብሓደ ኢዶም ከዓ ኣፅዋሮም ይሕዙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ነደቕቲውን ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ከዓ ኣብ ጥቓይ ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ድማ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “እቲ ስራሕ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፤ ንሕና ኸዓ ንስንሳትና ተረሓሒቕና፥ ኣብ ቅፅሪ ፋሕ ኢልና ኣለና።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ተኣከቡ፤ ኣምላኽና ምእንታና ኽዋግአልና እዩ” በልኩዎም።</verse>
				<verse number="21">ከምዙይ ኢልና ኻብ ወጋሕታ ጀሚርና ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ንሰርሕ ነበርና፤ ፍርቅና ኸዓ ዂናት ሒዝና ንሕሉ ነበርና።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ድማ ነቶም ህዝቢ “ለይቲ ሓለውቲ ኽትኮኑና ብመዓልቲ ድማ ኽትዓዩስ፥ ነፍሲ ወከፍኩም መምስ ሓጋዚኹም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ሕደሩ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="23">ኣነን ብፆተይን እቶም ዝሕልዉኒ ሓሻኽረይን ክዳውንትና ኣይነውፅእን ነበርና። ማይ ክንሕፀብ እንተ ኸድናውን ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ይሕዝ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጥርዓን ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="2">ገሊኣቶም “ንሕናን ደቅናን ብዙሓት ኢና፤ ስለዙይ ክንበልዕ እሞ ብህይወት ክንነብርስ እኽሊ ኽንሽምት” ዝብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ገሊኣቶም ድማ “ስለ ዝጠመና እኽሊ ኽንሽምት ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ኣትሒዝና ኣለና” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ገሊኣቶም ከዓ “ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝና፥ ንንጉስ ግብሪ ኽንከፍል ገንዘብ ተለቂሕና ኢና።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን ነዝ ቃል እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ።</verse>
				<verse number="7">ብልበይውን ሓሰብኩ፤ ነቶም ዓበይትን ኣሕሉቕን ከዓ “ካብ ኣሕዋትኩም ሃረፃ ትበልዑ ኣለኹም” ኢለ ዘለፍክዎም፤ ብዛዕባ እዙይውን ዓብዪ ኣኼባ ኣከብኩዎም፤</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣይሁድ ኸም ዓቕምና ተቤዘውናዮም። ንስኻትኩምከ ነሕዋትኩምዶ ኽትሸጡ ኢኹም? ንሳቶምከ ነኣና ዝተሸጡዶ ክኾኑ እዮም?” በልኩዎም፤ ንሳቶምውን ስቕ በሉ፤ መልሲውን ኣይረኸቡን።</verse>
				<verse number="9">መሊሰ ድማ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ምእንቲ ኸይፀርፉና፥ ንኣምላኽና ብምፍራሕ ክትከዱ ኸመይ ዘይግብአኩም?</verse>
				<verse number="10">ኣነን ኣሕዋተይን ሓሻኽረይን ድማ ገንዘብን እኽልን ንኣኣቶም ብሃረፃ ኣለቂሕናዮም ኣለና፤ ግና፥ በይዛኻትኩም፥ እዝ ሃረፃ እዙይ ንሕደገሎም።</verse>
				<verse number="11">ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ድማ “ከምቲ ንስኻ ዝበልካና ንገብር፤ እቲ ዝወሰድናዮ ንመልስ፤ ካብኣቶም ድማ ዝኾነ እኳ ኣይንጥይቕን” በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ፀዊዐ ኸምቲ ዝበልዎ ኽገብሩ ኣምሓልክዎም።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ድማ ኽዳነይ ነገፍኩሞ “ኵሉ ነዝ ማሕላ እዙይ ዘይፍፅም ሰብ፥ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምዙይ ይንገፎ፤ እወ፥ ንጉፍን ጥራሑን ይኹን” በልኩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝተአከቡ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” በሉ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ፤ እቶም ህዝቢ እውን ከምቲ ዝተብሃለ ገበሩ።</verse>
				<verse number="14">ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን።</verse>
				<verse number="15">እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።</verse>
				<verse number="16">መሊሰውን ብምሉእ ሓይለይ ነቲ ቕፅሪ አዕሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይዓደግናን፤ ኵሎም እቶም ሓሻኽረይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ስራሕ ተኣኪቦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመፁ ኣህዛብ፥ ካብ ኣይሁድን ኣሕሉቕን፥ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ ማእደይ ይምገቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ንሓንቲ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ካብ ኣዕዋፍን ይዳለወለይ ነበረ። በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ በብዓይነቱ ዝተፈላለየ ወይኒ ይዳለወለይ ነበረ። በዝ ዅሉ ግና፥ ነቲ ህዝቢ ኸቢድዎ ነበረ እሞ እቲ ንሽመተይ ዝግብአኒ ምግቢ እኳ ሃቡኒ ኣይበልኩን።</verse>
				<verse number="19">ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።</verse>
				<verse number="2">ሰንባላጥን ጌሳምን ከዓ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ “ነዓ፥ ካብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ንራኸብ” ኢሎም ለኣኹለይ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ድማ “ኣነስ ዓብዪ ስራሕ እሰርሕ ኣለኹ እሞ፥ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ነቲ ስራሕ ሓዲገ ናባኻትኩም ብምውራደይ ንምንታይ እቲ ስራሕ ዝተኣጓጐል!” ኢለ ለኣኽኩሎም።</verse>
				<verse number="4">በዝ ነገር እዙይ ድማ ኣርባዕተ ሻዕ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኸምኡ ገይረ መለስኩሎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሰንባላጥ ሓንቲ ኽፍትቲ መልእኽቲ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ንሓምሻይ ጊዜ ሓሽከሩ ለኣኸለይ።</verse>
				<verse number="6">እታ መልእኽቲ ኸምዙይ ትብል ነበረት፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፥ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፤ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይውን ጌሳም ኣረጋጊፁለይ ኣሎ። ምእንቲ እዙይ ድማ ቕፅሪ ትሰርሕ ከም ዘለኻ፥ ንስኻ ንጉሶም ክትከውን ከም ዝደለኻውን ኣብ ኣህዛብ ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ከምኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባኻ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ’ ኢሎም ዝእውጁ ነቢያት ከም ዘቖምካ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንጉስ እንተይሰምዖ ኣይተርፍን እዩ እሞ፥ ሕዚ ነዓ ብሓደ ኴንና ንመኻኸር ዝብል ቅሉዕ ደብዳቤ ነበረ።”</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣነ “እዙይስ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዝበልካዮ ነገር ሓቂ ኣይኮነን” ኢለ ለኣኽኩሉ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም እቲ ስራሕ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን ኢሎም ከፈራርሑና ይፍትኑ ነበሩ። ሕዚ እውን፥ ኦ ኣምላኽ፥ ኣእዳወይ ኣፅንዕ!</verse>
				<verse number="10">ኣነ ኸዓ ናብ ቤት ሸማያ፥ ወዲ ድላያ ወዲ መሄጣብኤል ኣተኹ። ንሱ ድማ ኣብ ገዛኡ ተዓፅዩ ነበረ እሞ “ክቐትሉኻ ኽመፁ እዮም፤ እወ፥ ብለይቲ ኽቐትሉኻ ኽመፁ እዮም እሞ ነዓ ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽና ንእቶ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስውን ብውሽጢ ንዕፀዎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኸዓ “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለኸ ምእንቲ ህይወቱ ኸድሕን ኢሉ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱዶ ይግባእ? ኣነስ ኣይኣቱን” በልኩዎ።</verse>
				<verse number="12">ጦብያን ሰንባላጥን ንሸማያ ብገንዘብ ሓቢሎምዎ ኸፈራርሐኒ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኽወድቕ ከፈራርሐኒ፥ በዙይ ከዓ ስመይ ከካፍኡንን ከዋርዱንን ንሸማያ ብገንዘብ ደለልዎ።</verse>
				<verse number="14">“ኦ ኣምላኸይ፥ ብዛዕባ እዝ ግብሮም ንጦብያን ንሰንባላጥን ንነቢዪት ናኣድያን ነቶም ዘፈራርሑኒ ኻልኦት ነቢያትን ዘክር።”</verse>
				<verse number="15">እቲ መካበቢያ ብወርሒ ኤሉል ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="16">ኵሎም እቶም ፀላእትና ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብውን ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ብሓሳባቶም ድማ የመና ተዋረዱ፤ እዝ ስራሕ እዙይ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም ዝተፈፀመውን ፈለጡ።</verse>
				<verse number="17">በተን መዓልቲታት እቲኣተን እቶም ዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ መልእኽትታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፤ ጦብያውን ምላሽ ይሰደሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ሴኬንያ ወዲ ኤራ ንጦብያ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፤ ይሆሓናን ወዲ ጦብያ ኸዓ፥ ጓል ሜሱላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ተመሓሒሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">“ጦብያ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት” እናበሉ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፤ ዘረባይ ከዓ ይነግርዎ ነበሩ፤ ጦብያ ድማ ኸፈራርሐኒ ኢሉ፤ መልእኽትታት ይሰደለይ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤</verse>
				<verse number="2">ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="4">እታ ኸተማ ኸዓ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝቢ ግና ውሑዳት ነበሩ። እቶም ኣባይቲ ድማ ገና ኣይተሰርሑን ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ህዝብን መራሕቶምን ሹመኛታትን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ምእንቲ ኽፀሓፉ፥ ክእክቦም ድማ ኣምላኸይ ንልበይ ኣለዓዓለ። ናይቶም ቅድም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ መፅሓፍ ወለዶኦም ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ ረኸብኩ፦</verse>
				<verse number="6">እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበረ እሞ፥ ካብ ምርኮ ተመሊሶም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝመፁ፥ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም፦</verse>
				<verse number="7">እቶም መራሕቶም ዘሩባቤል፥ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ኣዛርያስ፥ ረዓምያ፥ ነሓማኒ፥ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ ሚስጴሬት፥ በጉዋይ፥ ነሑም፥ በዓና ነበሩ። ብዝሒ ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="8">ደቂ ፋሮስ፥ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤</verse>
				<verse number="9">ደቂ ሰፋጥያስ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን፤</verse>
				<verse number="10">ደቂ ኤራ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን፤</verse>
				<verse number="11">ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ዝኾኑ፥ ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="12">ደቂ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤</verse>
				<verse number="13">ደቂ ዛቱዕ፥ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤</verse>
				<verse number="14">ደቂ ዘካይ፥ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን፤</verse>
				<verse number="15">ደቂ ቢንዊ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="16">ደቂ ቤባይ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="17">ደቂ ዓዝጋድ፥ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤</verse>
				<verse number="18">ደቂ ኣዶኒቃም፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን፤</verse>
				<verse number="19">ደቂ በጉዋይ፥ ክልተ ሽሕን ስሳን ሸውዓተን፤</verse>
				<verse number="20">ደቂ ዓዲን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን፤</verse>
				<verse number="21">ደቂ ኣጤር፥ ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ፥ ተስዓን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="22">ደቂ ሓሱም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="23">ደቂ ቤሳይ፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን፤</verse>
				<verse number="24">ደቂ ሓሪፍ፥ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን፤</verse>
				<verse number="25">ደቂ ገባዖን፥ ተስዓን ሓሙሽተን፤</verse>
				<verse number="26">ሰብ ቤተ ልሔምን ነጦፋን፥ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="27">ሰብ ኣናቶት፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="28">ሰብ ቤትዓዝሞት፥ ኣርብዓን ክልተን፤</verse>
				<verse number="29">ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን፥ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን፤</verse>
				<verse number="30">ሰብ ራማን ጌባን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤</verse>
				<verse number="31">ሰብ ማክማስ፥ ሚእትን ዕስራን ክልተን፤</verse>
				<verse number="32">ሰብ ቤቴልን ዓይን፥ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን፤</verse>
				<verse number="33">ሰብ ካልአይ ናባውን፥ ሓምሳን ክልተን፤</verse>
				<verse number="34">ደቂ ኻልአይ ዔላም፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን፤</verse>
				<verse number="35">ደቂ ካሪም፥ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን፤</verse>
				<verse number="36">ደቂ ኢያሪኮ፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፤</verse>
				<verse number="37">ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖም፥ ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን፤</verse>
				<verse number="38">ደቂ ሴናዓ፥ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።</verse>
				<verse number="39">ካህናት ድማ ካብ ወገን ኢያሱ፦ ደቂ ዮዳኤ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን፤</verse>
				<verse number="40">ደቂ ኢሜር፥ ሽሕን ሓምሳን ክልተን፤</verse>
				<verse number="41">ደቂ ፋስኮር፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን፤</verse>
				<verse number="42">ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።</verse>
				<verse number="43">ካብ ሌዋውያን፥ ካብ ወገን ሆዳይዋ፥ ደቂ ኢያሱን፥ ደቂ ቀድምኤልን ሰብዓን ኣርባዕተን፤</verse>
				<verse number="44">መዘምራን ድማ፥ ደቂ ኣሳፍ፥ ሚእትን ኣርብዓን ሸሞንተን፤</verse>
				<verse number="45">ሓለውቲ ደገ፦ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጤልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ ሚእትን ሰላሳን ሸሞንተን።</verse>
				<verse number="46">ናታኒም ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጣብዖት፥</verse>
				<verse number="47">ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥</verse>
				<verse number="48">ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ሰምላይ፥</verse>
				<verse number="49">ደቂ ሓናን፥ ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥</verse>
				<verse number="50">ደቂ ራያ፥ ደቂ ረኣሶን፥ ደቂ ኔቆዳ፥</verse>
				<verse number="51">ደቂ ጋሴም፥ ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥</verse>
				<verse number="52">ደቂ ቤሳይ፥ ደቂ ምዑናም፥ ደቂ ንፉሳሲም፥</verse>
				<verse number="53">ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቀፉ፥ ደቂ ሓርሑር፥</verse>
				<verse number="54">ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሻ፥</verse>
				<verse number="55">ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥</verse>
				<verse number="56">ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።</verse>
				<verse number="57">ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥</verse>
				<verse number="58">ደቂ የዕላ፥ ደቂ ደርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥</verse>
				<verse number="59">ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፊከራት ሓፂቦይም፥ ደቂ ኣሞን፥</verse>
				<verse number="60">ኵሎም ናታኒምን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="61">ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ካብተን ቴልሜላ፥ ቴላሬሳ፥ ክሩብ ኣዶን፥ ካብ ኢሜር ዝወፁ እዚኣቶም እዮም፤ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ሰባት ነበሩ። ግና ኻብ ህዝቢ እስራኤል ምዃኖም ከረድኡን ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="62"></verse>
				<verse number="63">ካብ ካህናት ከዓ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ ቤርዜሊ። (እዙይ ንደቂ ቤርዜሊ ዝወለደ፥ ካብ ዓሌት ቤርዜሊ ናይ ገለዓድ ሰበይቲ ኣእትዩ ብሽም ሓሙኡ ዝተፀውዐ እዩ።)</verse>
				<verse number="64">እዚኣቶም ፅሑፍ ወለዶኦም ደልዮም ስለ ዘይረኸብዎ፥ ብኽህነት ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ።</verse>
				<verse number="65">ሓቴርሰታም ድማ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ዘገልግል ካህን ክሳዕ ዝርከብ ካብቲ ዝተቐደሰ ሕብስቲ ቝርባን ከይበልዑ ኸልከሎም።</verse>
				<verse number="66">ኵሉ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመለሰ ህዝቢ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ነበረ።</verse>
				<verse number="67">ንሳቶም ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሓሻኽርን ኣግራድን ነበርዎም። ዝዝምሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም።</verse>
				<verse number="68">ንሳቶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ኣፍራስ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኣባቕል፥</verse>
				<verse number="69">ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ኣግማል፥ ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ኣእዱግ ነበርዎም።</verse>
				<verse number="70">ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፥ ብዙሓት ሰባት ነቲ ስራሕ ዝኸውን ውህብቶ ሃቡ። ሓቴርሰታ ሸሞንተ ኺሎ ግራም ወርቅን ሓምሳ ፅዋዓትን ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ቅያር ክዳን ካህናትን ሃበ።</verse>
				<verse number="71">ሓድሓደ ካብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኪሎ ግራም ብሩርን ሃቡ።</verse>
				<verse number="72">እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ወርቅን ሽሕን ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ስሳን ሸውዓተን ቅያር ክዳን ካህናትን ወፈዩ።</verse>
				<verse number="73">ኵላቶም ካህናት እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ መዘምራን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን፥ ናቲኒምን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ብሻውዐይቲ ወርሒ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዝበሃል ገፊሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምፅአሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="2">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኸዓ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብታ መረኣእይቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ቅድሚ ኸስተውዕሉ ዝኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። እዝኒ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ፅን ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ ኣብቲ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ፥ ብየማኑ ድማ መቲትያን ሽማዕን ዓናያን ኦርዮን ኬልቂያስን መዕሰያን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ብፀጋሙ ኸዓ ፈዳያን ሚሳኤልን መልክያን ሓሱምን ሓሽበዳናን ዘካርያስን ሜሱላምን ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">እዝራ ድማ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ይሪእዎ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከዓ ነቲ መፅሓፍ ቀልዖ። ምስ ቀልዖ ድማ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="6">እዝራ ኸዓ ንእግዚኣብሄር፥ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኣመስገነ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም “ኣሜን፥ ኣሜን” በሉ፤ ድንን ኢሎም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፊኦምውን ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ህዝቢ ኣብ ቦታኦም ደው ምስ በሉ ድማ፥ ኢያሱ፥ ባኒ፥ ሰራብያ፥ ያሜን፥ ዓቁብ፥ ሳባታይ፥ ሆዲያ፥ መዕሴያ፥ ቆሊጣስ፥ ኣዛርያስ፥ ዮዛባት፥ ሓናን፥ ፌልያ ዝበሃሉ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ፥ ሕጊ ኸስተውዕል ይምህርዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ብግልፂ ኣንበቡሎም፤ እቶም ህዝቢ ነቲ ዝተነበበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ይገልፁሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ቓል ሕጊ ምስ ሰምዑ በኸዩ። ነህምያ እቲ ገዛኢ ሃገርን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን፥ እቶም ንህዝቢ ዝምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፥ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም።</verse>
				<verse number="10">ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሌዋውያን ከዓ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ስቕ በሉ፤ ኣይትሕዘኑ” እናበሉውን ኣህድእዎም።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዝነገርዎም ቃል ስለ ዘስተውዓልዎ ኽበልዑን ክሰትዩን ነቶም ዘይብሎምውን ከፊሎም ክሰዱሎምን፥ ዓብዪ ሓጐስ ክሕጐሱ ነናብ ገዝኦም ከዱ።</verse>
				<verse number="13">በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝቢ፥ ምስቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ቃል እቲ ሕጊ ኽገልፀሎም፥ ናብ እቲ ፀሓፊ እዝራ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="14">በታ ሻውዐይቲ ወርሒ እትብዓል በዓል ዳስ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ ኸም ዘለዎም ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ሕጊ ተፅሒፉ ረኸቡ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ናብ ኵለን ከተማታቶምን ናብ ኢየሩሳሌምን “ናብ እምባ ደይቡ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝበሎ ዳስ ንምስራሕ፥ ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ ዘይትን ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ በረኻን ጨናፍር ክሊዐውን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋምን ኣምፅኡ” ኢሎም ኣስምዑን ኣወጁን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቶም ህዝቢ ወፂኦም ጨናፍር ኣምፅኡ፤ ኣብ ልዕሊ ናሕሶምን ኣብ ቕፅሮምን ኣብ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ዳሳት ሰርሑ።</verse>
				<verse number="17">ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ ኸዓ ዳሳት ሰሪሖም፥ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ገይሮም ኣብዒሎም ኣይፈልጡን ነበሩ እሞ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።</verse>
				<verse number="18">እዝራ ኻብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መዓልቲ፥ በብመዓልቱ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ዝተቐደሰ ጉባኤ ገበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ።</verse>
				<verse number="2">ደቂ እስራኤል ካብ ኵሎም ባዕዳን ተፈለዩ። ደው ኢሎም ከዓ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ።</verse>
				<verse number="3">ኣብታ ስፍራኦም ደው ኢሎም፥ ሰለስተ ሰዓት መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኣንበቡ፤ ሰለስተ ሰዓት ድማ ተናዘዙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ሰገዱ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ባኒ፥ ቀድምኤል፥ ሰበንያ፥ ቡኒ፥ ሰራብያ፥ ባኒ፥ ክናኒ ኾይኖም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሌዋውያን ዝተሰርሐ መድረኽ ደው በሉ፤ ብብርቱዕ ድምፂ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ፀለዩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ቀድምኤል፥ ባኒ፥ ኣሰበንያ፥ ሰራብያ፥ ሆዲያ፥ ሰበንያ፥ ፈታያ ኾይኖም ከምዙይ በሉ፦ “ተስኡ፤ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንዝነብር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኹ፤ ከምዙይ ከዓ” በሉ፦ “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።</verse>
				<verse number="7">“ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ፤ ንኣብራም ዝሓረኻዮ፥ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውፃእኻዮ፤ ስሙ ድማ ኣብርሃም ኢልካ ሰመኻዮ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለ ዘረኸብካዮ ድማ ምስኡ ኺዳን ኣተኻ። ዘርኡ ኣብኣ ምእንቲ ኽነብሩ ኸዓ ምድሪ ከነዓናውያንን፥ ሄታውያንን፥ ኣሞራውያንን፥ ፌርዛውያንን፥ ኢያቡሳውያንን፥ ጌርጌሳውያንን ሃብካዮ። ንስኻ ፃድቕ ስለ ዝኾንካ፥ ነቲ ቓልካ ፈፀምካዮ።</verse>
				<verse number="9">“ኣብ ግብፂ፥ እንተለዉውን ጭንቀት ኣቦታትና ረአኻ፤ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እንተለዉ ድማ ኣውያቶም ሰማዕኻ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።</verse>
				<verse number="12">በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።</verse>
				<verse number="13">“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="14">ነታ ቅድስቲ ሰንበትካ ኣፍለጥካዮም፤ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።”</verse>
				<verse number="15">ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።</verse>
				<verse number="16">“ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="17">ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።</verse>
				<verse number="18">ወርቂ ኣፍሲሶም ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ገበሩ፤ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና እዙይ እዩ’ እናበሉ ኬርና ኣቘጥዑኻ።</verse>
				<verse number="19">“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን።</verse>
				<verse number="20">ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ምድረ በዳ ሓደኳ እንተየጕደልካ፥ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ዝደለይዎ ዅሉ ኣይሰኣኑን፤ ክዳውንቶም ኣይበለየን፤ ኣእጋሮምውን ኣይሓበጠን።</verse>
				<verse number="22">“መንግስታትን ሃገራትን ከፊልካ ሃብካዮም፤ ንጉስ ሴዎን ዝገዝኣ ሃገር ሓሴቦንን ንጉስ ዓግ ዝገዝኣ ባሳንን ወረሱ።</verse>
				<verse number="23">ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="25">ህዝብኻ ዝተዓረዳ ኸተማታትን ልሙዕ ምድርን ሓዙ። ኵሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን ዝተዅዓተ ሓፅብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ፥ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ፀገቡን ሰብሑን ተሓጐሱን።</verse>
				<verse number="26">“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ ናብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፤ ንሳቶምውን ኣጨነቕዎም። ብጊዜ መከራኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ኻብ ሰማይ ሰማዕኻ፤ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ካብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሕንዎም መራሕቲ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="28">“ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፥ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፤ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከዓ ናባኻ ምስ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕኻዮም፤ ከም ምሕረትካውን ብዙሕ ጊዜ ኣድሓንካዮም።</verse>
				<verse number="29">“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።</verse>
				<verse number="30">ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="31">ግና ንስኻ ምሕረትካ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ፈፂምካ ኣየጥፋእኻዮምን፤ ኣይሓደግካዮምንውን፤ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ።</verse>
				<verse number="32">“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።</verse>
				<verse number="33">ንስኻስ በቲ ዅሉ ኣባና ዝበፅሐ ፃድቕ ኢኻ፤ ንሕና በደልና እምበር፥ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ ቕኑዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="34">ነገስታትናን ኣሕሉቕናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይሓለዉን፤ ንዝመስከርካሎም ትእዛዛትካን ምስክርነትካን ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="35">ኣብ መንግስቶም እንተለዉ ኣብታ ብብዝሒ ለውሃትካ ዝሃብካዮም ገፋሕን ልምዕትን ምድሪ እንተለዉ ኣየምለኹኻን፤ ካብ ክፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን።</verse>
				<verse number="36">“እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና።</verse>
				<verse number="37">እቶታ ድማ ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ጥሪትናን ከም ዝደለዩ ይገብሩ ኣለዉ፤ ንሕና ኸዓ ኣብ ዓብዪ መከራ ኢና ዘለና።</verse>
				<verse number="38">በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እቶም ማሕተሞም ዝገበሩሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ወዲ ሓካልያ ሓቴርሰታ ነህምያ፥ ሴዴቅያስ፥</verse>
				<verse number="2">ካብ ካህናት፦ ሰራያ፥ ኣዛርያስ፥ ኤርሚያስ፥</verse>
				<verse number="3">ፋስኮር፥ ኣማርያ፥ መልክያ፥</verse>
				<verse number="4">ሓጡስ፥ ሰበንያ፥ መሉክ፥</verse>
				<verse number="5">ካሪም፥ ሜሪሞት፥ ኣብድዩ፥</verse>
				<verse number="6">ዳንኤል፥ ጌንቶን፥ ባሮክ፥</verse>
				<verse number="7">ሜሱላም፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥</verse>
				<verse number="8">መዓዝያ፥ ቤልጋይ፥ ሸማያ፥ እዚኣቶም ካህናት ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ሌዋውያን፦ ኢያሱ ወዲ ኣዛንያ፥ ቢንዊ ኻብ ደቂ ኤንሓደድ፥ ቀድምኤል፥</verse>
				<verse number="10">ኣሕዋቶም ድማ፦ ሰባንያ፥ ሆድያ፥ ቆሊጣስ፥ ፊልያ፥ ሓናን፥</verse>
				<verse number="11">ሚካ፥ ረኣብ፥ ሓሸብያ፥</verse>
				<verse number="12">ዘኩር፥ ሰራብያ፥ ሰበንያ፥</verse>
				<verse number="13">ሆዲያ፥ ባኒ፥ ብኒኑ።</verse>
				<verse number="14">ኣሕሉቕ ህዝቢ፦ ፋሮስ፥ ፈሓት ሞኣብ፥ ዔላም፥ ዛቱዕ፥ ባኒ፥</verse>
				<verse number="15">ቡኒ፥ ዓዝጋድ፥ ቤባይ፥</verse>
				<verse number="16">ኣዶንያስ፥ በጉዋይ፥ ዓዲን፥</verse>
				<verse number="17">ኣጤር፥ ሕዝቅያስ፥ ዓዙር፥</verse>
				<verse number="18">ሆዲያ፥ ሓሱም፥ ቤሳይ፥</verse>
				<verse number="19">ሓሪፍ፥ ዓናቶት፥ ኖባይ፥</verse>
				<verse number="20">መግጲዓስ፥ ሜሱላም፥ ኤዚር፥</verse>
				<verse number="21">ሜሴዜቤል፥ ሳዶቅ፥ ያዱዓ፥</verse>
				<verse number="22">ፈላጥያ፥ ሓናን፥ ዓናያ፥</verse>
				<verse number="23">ሆሴዕ፥ ሓናንያ፥ ኣሱብ፥</verse>
				<verse number="24">ኣሌኤስ፥ ፊልሓ፥ ሶቤቅ፥</verse>
				<verse number="25">ሬሑም፥ ሓሰብና፥ መዕሴያ፥</verse>
				<verse number="26">ኣኪያ፥ ሓናን፥ ዓናን፥</verse>
				<verse number="27">መሉክ፥ ካሪም፥ በዓና።</verse>
				<verse number="28">“እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝቢ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ናታኒምን ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝቲ ዝኾኑ፥ ነፍሶም ካብቶም ጓኖት ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምን፥ ምስ ኣንስቶምን ምስቶም ኣብ ምስትውዓል ዝበፅሑ ደቆምን ኮይኖም፥</verse>
				<verse number="29">ምስቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ መራሕትን ሓቢሮም ነቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ባርያኡ ሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኣምላኽ ክፍፅሙ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕግጋትን ኵሉ ኽሕልዉዎን ክፍፅምዎን ማሕላን መርገምን ገበሩ።</verse>
				<verse number="30">“ነቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ጓኖት ኣጓላትና ኸይንህብ፥ ነወዳትና ኸዓ ኣጓላቶም ከይንወስድ ንምሕል ኣለና።</verse>
				<verse number="31">“እቶም ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ጓኖት ህዝቢ በብዓይነቱ ሸቐጥን እኽልን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ክሸጥዎ ኢሎም ዘምፅእዎ፥ ብመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካብኣቶም ኣይንዕድግን ኢና። በብሻውዐይቲ ዓመት ከዓ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ክንሓድጋ ኢና፤ ነቶም ሰብ ዕዳውን ክንሓድገሎም ኢና ኢሎም መሓሉ።</verse>
				<verse number="32">“ንኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ዝውዕል ሓሙሽተ ግራም ብሩር በብዓመት ክንከፍል ኢና።</verse>
				<verse number="33">ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና።</verse>
				<verse number="34">“ንሕና ካህናትን ሌዋውያንን ህዝብን፥ ከም ቤት ኣቦታትና ብዝተወሰነ ጊዜ በብዓመቱ፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኣምፂእና፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓዊ ምእንቲ ኽነድድ፥ ዕንፀይቲ ዘምፅእ መን ምዃኑ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ዕፃ ኣውደቕና።</verse>
				<verse number="35">“በዅራት ፍረ ምድርናን በዅራት ፍረ ኣእዋምን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክነምፅእ ኢና።</verse>
				<verse number="36">“ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ በዅሪ ደቅናን እንስሳናን በዅሪ ኸፍትናን ኣባጊዕናን ናብቶም ንቤት ኣምላኽና ዘገልግሉ ኻህናት፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኽነምፅእ ኢና።</verse>
				<verse number="37">“ቀዳማይ ብሑቝናን፥ ናይ መስዋእቲ እኽልናን፥ ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣእዋምን፥ ናይ ወይንን ናይ ዘይትን፥ ንኻህናት ኣስራት እናውፃእና ኽንህብ ኢና። ኣብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዓስራት ዝወስዱ ሌዋውያን እዮም እሞ፥ ናይ ምድርና ዓስራት ኽነምፅአሎም ምሒልና ኢና።</verse>
				<verse number="38">ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ።</verse>
				<verse number="39">እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከዓ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዝለዓል መስዋእቲ ናብቲ ቤት መዛግብቲ እዮም ዘምፅእዎ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን እቶም ዘገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደገታትን ዘመርትን እዮም ዘለዉ። እምበኣር ቤት ኣምላኽና ኸቶ ኣይንሓድግን ኢና።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፥ ከካብ ዓሰርተ ስድራ ሓደ ስድራ ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ፥ እቶም ትሽዓተ ኢድ ከዓ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕፃ ኣውደቑ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቖም።</verse>
				<verse number="3">ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልገሉን ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ደቂ ይሁዳን ደቂ ብንያምን እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ይሁዳ፦ ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤</verse>
				<verse number="5">መዕሴያ ወዲ ባሮክ፥ ወዲ ኮልሖዜ፥ ወዲ ዖዛያ፥ ወዲ ዓዳያ፥ ወዲ ዮያሪብ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ካብ ደቂ ሴሎና።</verse>
				<verse number="6">ካብ ማእኸል ዘርኢ፥ ፋሬስ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ሰባት ሓያላት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ደቂ ብንያም፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ዮእድ፥ ወዲ ፈዳያ፥ ወዲ ቆላያ፥ ወዲ መዕሴያ፥ ወዲ ኢቲኤል፥ ወዲ የሻያ፥</verse>
				<verse number="8">ድሕሪኡ ኸዓ ጌቤን ሳላይን፤ ኵሎም ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ኢዩኤል ወዲ ዝክሪ ኸዓ ሓለቓኣቶም ነበረ፤ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዩ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ካህናት፦ ዮዳኤ ወዲ ዮያሪብ፥ ያኪን፥</verse>
				<verse number="11">ሰራያ ወዲ ኪልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ ሓለቓ ቤት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑ ኣሕዋቶም ድማ ሸሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን ነበሩ። ዓዳያ፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ፊላልያ፥ ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ፋስኮር፥ ወዲ መልኪያ፥</verse>
				<verse number="13">ኣሕዋቱ ኸዓ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ነበሩ። ዓማሰያ ወዲ ኤዝርኤል፥ ወዲ ኣሕዛይ፥ ወዲ ምሽሌሞት፥ ወዲ ኢሜር፥</verse>
				<verse number="14">ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፥ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን ነበሩ። ሓለቓኣቶም ድማ ዘብዲኤል ወዲ ሓግዶሊም ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ሌዋውያን፦ ሻማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብ፥ ወዲ ቡኒ፤</verse>
				<verse number="16">ካብ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ከዓ ሳባታይን ዮዛባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወፃኢ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ሰብ ስልጣን ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">መታንያ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዘብዲ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ንሱ ጀማሪ ፀሎትን፥ ጀማሪ መዝሙር ምስጋናን ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ካልኣይ ዝነበረ በቅበቃር፥ ኣብድያ ወዲ ሳሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ድማ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦ ዓቁብን ጤልሞንን ኣሕዋቶምን ድማ ንደጌታት ዝሕልዉ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ሚእትን ሰብዓን ክልተን ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ከዓ ምስ ካህናቶምን ሌዋውያንን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ግና ኣብቲ ዖፌል ዝበሃል ወገን ኢየሩሳሌም ተቐመጡ፤ ሲሓናን ጊሽጳን ድማ ኣሕሉቖም ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ኣዚ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካ፥ ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ፤ ንሱ ኻብቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ዘገልግሉ ሓለቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">እቶም መዘምራን ብትእዛዝ ንጉስ ተራ ኣገልግሎቶም ስሩዕ ነበረ። እቲ በብመዓልቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ከዓ ምዱብ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ሓድሓደ ኻብ ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጥቓ ማሕረሶም ዘሎ ኸተማታት ኣብ ቂርያትኣርባቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዲቦንን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ይቀብፅኤልን ኣብ ቝሸታታን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="26">ከምኡውን ኣብ ኢያሱን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጳሌጥን፥</verse>
				<verse number="27">ኣብ ሓፀርሹዓልን ኣብ ቤርሳቤህን ኣብ ከባቢኣን፥</verse>
				<verse number="28">ኣብ ፂቅላግን ኣብ ምኮናን ኣብ ከባቢኣን፥</verse>
				<verse number="29">ኣብ ዓይንሪሞንን ኣብ ፆርዓን ኣብ የርሙትን፥</verse>
				<verse number="30">ኣብ ዛኖዋን ኣብ ዓዶላምን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ለኪሶንን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ከባቢኣን ተቐመጡ። ስለዙይ ደቂ ይሁዳ ኣብተን ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ለሰ ሄኖም ዘለዋ ዓድታት ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="31">ደቂ ብንያም ከዓ ኣብ ጌባ፥ ኣብ ማክማስን ኣብ ጋያን ኣብ ቤቴልን ኣብ ከባቢኣን፥</verse>
				<verse number="32">ኣብ ዓናቶት፥ ኣብ ኖብ፥ ኣብ ሓናንያ፥</verse>
				<verse number="33">ኣብ ሓሶር፥ ኣብ ራማ፥ ኣብ ጊቴም፥</verse>
				<verse number="34">ኣብ ሓዲድ፥ ኣብ ስቦይም፥ ኣብ ንበላት፥</verse>
				<verse number="35">ኣብ ሎድ፥ ኣብ ኦኖ፥ ኣብ ለሰ ፀረብቲ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="36">ካብቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ ብዙሓት ክፍልታት ናብ ብንያም ኮኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እቶም ምስ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያልን ምስ ኢያሱን ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፦ ካህናት፦ ሰራያ፥ ኤርሚያስ፥ እዝራ፥</verse>
				<verse number="2">ኣማርያ፥ መሉክ፥ ሓጡስ፥</verse>
				<verse number="3">ሴኬንያ፥ ሬሑም፥ ሜሪሞት፥</verse>
				<verse number="4">ኣዶ፥ ጊንቶን፥ ኣቢያ፥</verse>
				<verse number="5">ሚያሚን፥ መዓድያ፥ ቢልጋ፥</verse>
				<verse number="6">ሻማያ፥ ዮያሪብ፥ ዮዳዔ፥</verse>
				<verse number="7">ሰሉ፥ ዓሞቅ፥ ኬልቅያስ፥ ዮዳኤ እዮም። እዚኣቶም ብዘመን ኢያሱ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕሉቕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ሌዋውያን፦ ኢያሱ፥ ቢንዊ፥ ቀድምኤል፥ ሰራብያ፥ ይሁዳ፥ መታንያ፥ እዚኣቶም ኵሎም መራሕቲ መዝሙር ምስጋና ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ኣሕዋቶም በቅቡቅያን ዑኒን ከዓ በብሰሙኖም ኣብ መንፅሮም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ።</verse>
				<verse number="11">ዮኣዳ ንዮናታን ወለደ፤ ዮናታን ንያዱዓ ወለደ።</verse>
				<verse number="12">ብዘመን ዮኣቂም ሊቀ ካህናት ኣሕሉቕ ማይ ቤት ካህናት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ማይ ቤተ ሰራያ ምራያ፥ ካብ ኤርሚያስ ሓናንያ፥</verse>
				<verse number="13">ካብ እዝራ፥ ሜሱላም፤ ካብ ኣማርያ፥ ይሆሓናን፤</verse>
				<verse number="14">ካብ መሉኪ፥ ዮናታን፤ ካብ ሰበንያ፥ ዮሴፍ፤</verse>
				<verse number="15">ካብ ካሪም፥ ዓድና፤ ካብ መራዮት፥ ሔልቃይ፤</verse>
				<verse number="16">ካብ ዓዶ፥ ዘካርያስ፤ ካብ ጌንቶን፥ ሜሱላም፤</verse>
				<verse number="17">ካብ ኣቢያ፥ ዝክሪ፥ ካብ ሚያሚን፥ ካብ ሞዓድያ፥ ፊልጣያ፤</verse>
				<verse number="18">ካብ ቢልጋ፥ ሳሙስ፤ ካብ ሸማያ፥ ዮናታን፤</verse>
				<verse number="19">ካብ ዮያሪብ፥ መትናይ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ኦዚ፤</verse>
				<verse number="20">ካብ ሳላይ፥ ቃላይ፤ ካብ ዓሞቅ፥ ዔበር፤</verse>
				<verse number="21">ካብ ኬልቂያስ፥ ሃሸብያ፤ ካብ ዮዳኤ፥ ናትናኤል።</verse>
				<verse number="22">ኤልያሴብን ዮኣዳን ዮሓናን ያዱዓን ሊቃነ ኻህናት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን እቶም ሌዋውያን በብሓለቓ ማይ ቤት ኣቦታቶም ተፅሓፉ፤ እዙይ ብዘመን መንግስቲ ዳርዮስ በዓል ፋርስ ኮነ።</verse>
				<verse number="23">እንተ ኾነ እቶም ደቂ ሌዊ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ጥራሕ ኣብቲ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፉ።</verse>
				<verse number="24">ሓሸብያ፥ ሰራብያ፥ ኢያሱ፥ ቀድምኤል ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነበሩ። ምስቶም ብፆቶም ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዳዊት ዝኣዘዞ እናተቐባበሉ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">መታንያ፥ በቅቡቅያ፥ ኣብድዩ፥ ሜሱላም፥ ጤልሞን፥ ዓቁብ፥ ሓለውቲ ደገ ነበሩ። ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ድማ ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">እዚኣቶም ብዘመን ዮኣቂም ወዲ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን፥ ብዘመን እቲ ሓለቓ ነህምያን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን ነበሩ።</verse>
				<verse number="27">ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="28">እቶም ዘመርቲ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ነበሩ እሞ፥ ካብቲ ጐልጐል ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን፥</verse>
				<verse number="29">ካብ ቤት ጌልገላን ካብ ምድሪ ጌባን ዓዝሞትን ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ርእሶም ኣንፅሁ፤ ነቲ ህዝብን ንደገታትን ነቲ ቕፅርን ከዓ ኣንፅህዎ።</verse>
				<verse number="31">ንኣሕሉቕ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣደየብክዎም። ዘመስግኑ ኸዓ ኽልተ ዓበይቲ መስርዕ መዘምራን ኣቖምኩ፤ እቶም ሓደ መስርዕ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣፍ ደገ መጕሓፊ ብወገን የማን ኣቢሎም ዞሩ።</verse>
				<verse number="32">ሆሻያን፥ ፍርቂ ኣሕሉቕ ነገድ ይሁዳን ከዓ ሰዓቡዎም።</verse>
				<verse number="33">ኣዛርያስን እዝራን ሜሱላምን፥</verse>
				<verse number="34">ይሁዳን ብንያምን ሸማያን ኤርሚያስን ሰዓብዎም።</verse>
				<verse number="35">ካብ ደቂ ካህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም ሰዓብዎም። ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሸማያ፥ ወዲ መታንያ፥ ወዲ ሚካያ፥ ወዲ ዘኩር፥ ወዲ ኣሳፍ ሰዓቦም።</verse>
				<verse number="36">ኣሕዋቱ፥ ሸማያ፥ ኤዝርኤል፥ ሚላላይ፥ ጊላላይ፥ መዓይ፥ ናታናኤል፥ ይሁዳ፥ ኣናኒ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዳዊት ዝቓንዮ ዝነበረ መሳርሒ ሙዚቃ ዝመስል ሒዞም ሰዓቡ፤ እዝራ እቲ ፀሓፊ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="37">ኣብ ደገ ዒላ ምስ በፅሑ፥ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዘደይብ መደያይቦ ኣቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ዳዊት በፅሑ፤ ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዘብል ኣፍ ደገ ማይ ድማ ደየቡ።</verse>
				<verse number="38">እቶም ዘመስግኑ ኻልኣይ መስርዕ መዘምራን ከዓ ኽራኸብዎም ናብ ፀጋም ኣቢሎም ይዞሩ ነበሩ። ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን ድማ ኻብ ግንቢ እቶን ክሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ብልዕሊ እቲ መካበቢያ ጌርና ደድሕሪኣቶም ከድና።</verse>
				<verse number="39">ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።</verse>
				<verse number="40">እቶም ክልተ መስርዕ ዘመስግኑ መዘምራን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆሙ። ኣነ ኸዓ ምስ ፈረቓ እቶም ሹመኛታትን፥</verse>
				<verse number="41">እቶም ካህናት ድማ ኤልያቄም፥ መዕሴያ፥ ሚንያሚን፥ ሚካያ፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘካርያስ፥ ሓናንያ፤ እዚኣቶም መለኸት ሒዞም ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ደድሕሪኣቶም ድማ መዕሴያን ሸማያን ኣልኣዛርን ኦዚን ይሆሓናንን መልክያን ዔላምን ዔፅርን ቆምን ሰዓቡ። እቶም ዘመርቲ ኸዓ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፤ ይዝረሕያ ድማ ሓለቓኦም ነበረ።</verse>
				<verse number="43">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="44">ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።</verse>
				<verse number="45">እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ናይ ምንፃህ ስርዓትን ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎሞን ወዱን ሓለዉ።</verse>
				<verse number="46">ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ኣሕሉቕ ዘመርቲ ነበሩ፤ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን የቕርቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="47">ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከዓ ዅሎም እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን በብመዓልቱ ዘድልዮም ይህብዎም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ኻብቲ ዝተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ይህብዎም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ።</verse>
				<verse number="3">ደቂ እስራኤል ድማ ነቲ ሕጊ ዝብሎ ምስ ሰምዑ፥ ነቶም ባዕዳን ዝኾኑ ፈለይዎም።</verse>
				<verse number="4">ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ።</verse>
				<verse number="5">መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ኣቑሑን ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዓስራት፥ እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደገታት ዝተኣዘዘሎምን፥ እቲ ንኻህናት ዝውፈ መስዋእትታትን፥ ዘንብሩሉ ዝነበሩ ዓብዪ ኽፍሊ ኤልያሴብ ንጦብያ ሂብዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ግና እዝ ዅሉ ክኸውን እንተሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይነበርኩን። ኣርጤክስስ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ናብ ባቢሎን ተመሊሰ ነበርኩ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ ኻብ ንጉስ ፍቓድ ለሚነ፥</verse>
				<verse number="7">ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ እሞ ኤልያሽብ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምሃብ ዝገበሮ ኽፉእ ኣስተውዓልኩ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ከዓ የመና ኣጕሃየኒ። ንዅሉ ኣቑሑ ጦብያ ድማ ኻብቲ ኽፍሊ ቤት ንደገ ደርበኽዎ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ኽፍልታት ድማ ኸንፅህዎ ኣዘዝኩ፤ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ድማ መሊሰ ናብኡ ኣእተኽዎ።</verse>
				<verse number="10">ንሌዋውያን ግደኦም ከም ዘይተውሃበ፥ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝተመለሰ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="11">ኣነውን ስለ ምንታይ እዩ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሓደገ ኢለ፥ ምስቶም ኣሕሉቕ ተኸራኸርኩ። ኣከብኩዎምውን፤ በብመደብ ስራሖም ድማ ኣቖምኩዎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ድማ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዓስራት ናብቲ መዝገብ ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="13">ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="15">በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኣብ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ኽረግፁን፥ ኣእዱግ ፅዒኖም እንዳእቲ ኸእትዉን፥ ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱ ፅዕነትን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኡ ረአኹ። ኣነ ኸዓ በታ እቶቶም ዝሸጡላ ኣንፃሮም መስከርኩ።</verse>
				<verse number="16">ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዓሳን ኵሉ ዝሽየጥ ነገርን ኣምፂኦም፥ ንደቂ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ኢየሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ምስ ዓበይቲ ይሁዳ ተኸራኸርኩሞ፦ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ? መዓልቲ ሰንበት ንምንታይ ተርክሱ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="18">ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ እቶም ነጋዶን ኵሉ ዓይነት ዝሸጡ ሰባትን ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ሓደ ለይቲ ወይ ክልተ ለይቲ ሓደሩ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ድማ ኣመስከርኩሎም እሞ፦ “ኣብ ወፃኢ ቕፅሪ እትሓድሩስ ስለ ምንታይ ኢኹም? ከምዙይ እንተ ደጊምኩም ኣብ ልዕሌኹም ኢደይ ከልዕል እየ በልኩዎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ምምፃእ ሓደጉዎ።</verse>
				<verse number="22">ንሌዋውያን ከዓ ንመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኽቕድስዋ፥ ክነፅሁን ነተን በርታት ኢየሩሳሌም ድማ ኽሕልዉወንን ኣዘዝክዎም።” ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ።</verse>
				<verse number="23">በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኻብ ኣዛጦንን፥ ካብ ኣሞንን፥ ካብ ሞኣብን ኣንስቲ ዘእተዉ ኣይሁድ ረአኹ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ደቆም ከዓ ፍርቆም ብቛንቋ ኣዛጦንን፥ ብናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋን ይዛረቡ ነበሩ እምበር፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ኣይኽእሉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ተቘጢዐ ድማ ረገምክዎም፤ ካብኣቶም ድማ ንብዙሓት ሰባት ወቓዕኹ፤ ፀጕሮምውን ነፀኹ፤ “ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ካብ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩምን ንርእስኹምን ኣይትውሰዱ” ኢለ ድማ ብእግዚኣብሄር ኣምሓልክዎም።</verse>
				<verse number="26">ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ።</verse>
				<verse number="27">ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ዓብዪ ኽፍኣት ክንገብር፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታው ንኣምላኽና ኽንብድል፥ ንኣኻትኩምዶ ኽንሰምዕ ኢና?”</verse>
				<verse number="28">ሓደ ኻብ ደቂ ዮኣዳ፥ ወዲ ኤልያሴብ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሰንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገይሩ ነበረ እሞ ንዮያዳዕ ካባይ ሰጐጕክዎ።</verse>
				<verse number="29">ኦ ኣምላኸይ፥ ንኽህነትን ነቲ ምስ ካህናትን ሌዋውያንን ዝኣተኻዮ ኺዳንን ስለ ዘርከሱ ዘክሮም።</verse>
				<verse number="30">በዝ ኸምዙይ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ጋሻ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ኣፅረኽዎም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስራሖም መደብክዎም።</verse>
				<verse number="31">ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="17">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ሱሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ነተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት ይገዝእ ነበረ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ንሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ሃብቲ እቲ ኽብሪ መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉፅ ግርማኡን ኣርኣዮም።</verse>
				<verse number="5">እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ሓለፋ፥ እቲ ንጉስ ንዅሎም ነቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝነበሩ ህዝቢ ድኻን ሃብታምን እንተይፈለየ ኣብ ማእኸል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም።</verse>
				<verse number="6">ኣብ መካበብያ ኣታኽልቲ፥ ፃዕዳን ሓምለዋይን ሰማያውን መጋረጃታት፥ ብፃዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፥ ብቐለበታት ብሩር ተንጠልጢሉ፥ ኣብ ልዕሊ ኣዕምዲ እብነ በረድ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብፃዕዳ እብነ በረድን ብሉልን ብፀሊም እብነ በረድን ዝተኸድነ፥ ምድሪ ቤት ከዓ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">እቲ መስተታት ድማ ብኣቑሑ ወርቂ ይቐርብ ነበረ፤ እቲ ኣቑሑ ኸዓ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ድማ ኸም ልግሲ ንጉስ የመና ብዙሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ንጉስ ከዓ ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኽሰቲ እምበር፥ ንሓደ እኳ ኸይኸልእዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፥ እቲ ምስታይ ከም ድሌትካ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ንግስቲ ኣስጢን ድማ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነንስቲ ምሳሕ ገበረትለን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም።</verse>
				<verse number="11">ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="12">እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።</verse>
				<verse number="13">ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ብዙሕ ጊዜ ንጉስ ምኽሪ ዝጥይቖም ዝነበረ ኸዓ ኻርሽና፥ ሼታር፥ ኣድማታ፥ ተርሺሽ፥ ሜረስ፥ ማርስና፥ መሙካን ነበሩ። እዚኣቶም ኵልሻዕ ኣብ ጥቓ ንጉስ ዝቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮምን ሸውዓተ ሹመኛታት ፋርስን ሜዶንን እዮም።</verse>
				<verse number="15">“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን በቶም ስሉባት ገይረ ዝኣዘዝክዋ ስለ ዘይገበረት ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="16">መሙካን ከዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታትን፦ “ንግስቲ ኣስጢን ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣትካ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እያ ዝበደለት እምበር፥ ንኣኻ ንንጉስ ጥራሕ ኣይኮነትን ዝበደለት።</verse>
				<verse number="17">እዝ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር፥ ኵለን ኣንስቲ ኽሰምዓኦ እየን እሞ ‘ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን ናብኡ ኸምፅእዋ ኣዘዘ፤ ግና ኣይመፀትን’ እናበላ ንሰብኡተን ክንዕቓኦም እየን።</verse>
				<verse number="18">ሎሚ ድማ ወይዘራዝር ፋርስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፥ ንዅላቶም ሹመኛታት ንጉስ ከምኡ ኽብላኦም እየን እሞ፥ ብዙሕ ንዕቐትን ባእስን ክፍጠር እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ኦ ንጉስ፥ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ኣውፅእ፤ ከም ዘይልወጥውን ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይፀሓፍ። ደጊም ኣስጢን ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ፤ ንጉስ ድማ እቲ ናይ ንግስቲ መዓርግ ንኻልእ፥ ካብአ ንእትሓይሽ ሃባ።</verse>
				<verse number="20">ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ኵላ እዛ ገፋሕ መንግስትኻ ምስ ተሰምዐ ኸዓ ዅላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን፥ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከኽብራኦም እየን” በለ።</verse>
				<verse number="21">እዝ ምኽሪ እዙይ ድማ ንንጉስን ንሹመኛታቱን ደስ ኣበሎም እሞ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ኵለን ግዝኣቱ ድማ እቲ ንጉስ ንዅሉ ሃገር ከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኸዓ በብቛንቋኡ መልእኽቲ ሰደደ። እተን መልእኽትታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ኽመልኽ ዝእዝዛ ነበራ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ ካብ ኵራኡ ምስ ዘሓለ፥ ንኣስጢንን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ ነገርን ሓሰበ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ “ንንጉስ ፅቡቕ ዝመልክዐን ደናግል ኣጓላት ንድለየሉ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።</verse>
				<verse number="6">መርዶክዮስ ምስቶም ምስ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ዝተማረኹ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዝማረኾ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።</verse>
				<verse number="8">ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናብ ከተማ ሱሳ፥ ብዙሓት ቈናጁ ተኣከባ። ንኣስቴርውን ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላዊ ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምፅእዋ።</verse>
				<verse number="9">ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ።</verse>
				<verse number="10">መርዶክዮስ፥ ኣይትንገሪ፥ ኢሉ ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፥ ኣስቴር ህዝባን ዓሌታን ኣይነገረትን።</verse>
				<verse number="11">መርዶክዮስ ከዓ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዝገብርዋን ክፈልጥ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ቅድሚ ምእታዋ ኸም ስርዓት ኣንስቲ ኽትዳሎ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ የድልያ ነበረ፦ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ እናተቐብአት ትዳሎ ነበረት።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ እታ ቘንጆ ናብ ንጉስ ክትኣቱ እንተላ፥ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ዅሉ ዘድልያ ይወሃባ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እታ ጓል፥ ምሸት ትኸይድ ነበረት፤ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፥ ኣብታ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ፥ ናብ ጋይ፥ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ወሰኑ፥ ትኸይድ ነበረት። ንጉስ እንተ ዘይደለያን፥ ብስማውን እንተ ዘይፀውዓን፥ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።</verse>
				<verse number="15">ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት።</verse>
				<verse number="16">ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ ብዓስረይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ጤቤት፥ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ።</verse>
				<verse number="17">ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ።</verse>
				<verse number="19">በቲ እዋን እቱይ መርዶክዮስ ብንጉስ ተሸይሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኣስቴር ከዓ ኸምቲ ምስኡ ተዓቚባ እንተላ ንመርዶክዮስ እትእዘዞ ዝነበረት፥ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ዓሌታን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።</verse>
				<verse number="21">በተን መዓልቲታት እቲኣተን መርዶክዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ሽመቱ እንተሎ፥ ቢግታንን ቴረሽን ዝበሃሉ ኻብቶም ነቲ ደገ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኽልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ከልዕሉ ደለዩ።</verse>
				<verse number="22">መርዶክዮስ ነቲ ነገር ፈለጦ፤ ንንግስቲ ኣስቴር ከዓ ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም መርዶክዮስ ንንጉስ ነገረቶ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ነገር ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኽበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ኦም ተሰቐሉ። እዙይውን ብትእዛዝ ንጉስ ኣብ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፈ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።</verse>
				<verse number="2">እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ዅላቶም ሹመኛታት ድማ ንሃማ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እዙይ ከዓ እቲ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። መርዶክዮስ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።</verse>
				<verse number="3">እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">መዓልቲ መዓልቲ እውን ከምኡ እናበሉ የትክርዎ ነበሩ። ንሱ ግና ምስማዕ ኣበዮም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ሃማ ንግብሪ መርዶክዮስ ሸለል ዝብሎ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንሃማ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="5">ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ።</verse>
				<verse number="6">መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።</verse>
				<verse number="7">ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።</verse>
				<verse number="8">ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንጉስ ነታ ማሕተም ዘለዋ ቐለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ንሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላኢ ኣይሁድ ሃቦ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።</verse>
				<verse number="13">ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ።</verse>
				<verse number="14">ነታ መዓልቲ እቲኣ ተዳልዮም ምእንቲ ኽፀንሑ ድማ፥ ቅዳሕ እቲ ኣዋጅ፥ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵሎም ህዝብታትን ከም ዝበፅሕ ገበሩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ከተማ ሱሳ ተነግረ። እቶም ፈረሰኛታት ከዓ ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ናብ ኵለን ሃገራት ከዱ። ንጉስን ሃማን ድማ ኾፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ፤ ከተማ ሱሳ ግና ደንገፀት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።</verse>
				<verse number="2">ወጮ ተኸዲንካ ብኣፍ ደገ ንጉስ ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተ ነበረ፥ ንሱ ግና ኽሳዕ ኣፍ ደገ ንጉስ መፀ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባት ሓለውታን ድማ ናብኣ መፂኦም እዝ ነገር እዙይ ነገርዋ። ሽዑ ኣስቴር የመና ሓዘነት፤ ንመርዶክዮስ ከዓ ኽንዲ ወጮ ኽዳን ክኽደን ሰደደትሉ፤ ግና ኣይተቐበላን።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።</verse>
				<verse number="6">ኣክራትዮስ ድማ ናብ መርዶክዮስ፥ ናብታ ቕድሚ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ኣደባባይ እታ ኸተማ ወፀ።</verse>
				<verse number="7">መርዶክዮስ ከዓ እቲ ንእኡ ዝወረዶ ዅሉ ነገርን፥ ሃማ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ከእትዎ ኢሉ ዝመዘኖ ቝፅሪ እቲ ገንዘብን ነገሮ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ።</verse>
				<verse number="9">ኣክራትዮስ ድማ ናብ ኣስቴር መፂኡ፥ መርዶክዮስ ዝበሎ ነገራ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ንመርዶክዮስ ከምዙይ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዘቶ፦</verse>
				<verse number="11">“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።</verse>
				<verse number="12">ዘረባ ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ነገሮ።</verse>
				<verse number="13">መርዶክዮስ ድማ ንኣክራትዮስ፥ ኪድሞ ንኣስቴር ከምዙይ በላ በሎ፦ “ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ፥ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፥ ንበይንኺ ኽድሕን እየ ኢልኪ ኣይትሕሰቢ።</verse>
				<verse number="14">በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?”</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኣስቴር ንመርዶክዮስ፦</verse>
				<verse number="16">“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።</verse>
				<verse number="17">መርዶክዮስ ከዓ ኸይዱ፥ ከምቲ ኣስቴር ዝኣዘዘቶ ዅሉ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ንጉስ “ንንግስቲ ኣስቴር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እንታይከ ትደልዪ ኣለኺ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="4">ኣስቴር ድማ “ንጉስ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ሎሚ ምፀኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንጉስ ድማ፦ “ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኽግበር፥ ንሃማ ቐልጢፍኩም ፀውዕዎ” በለ። ንጉስን ሃማን ከዓ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ መፁ።</verse>
				<verse number="6">ወይኒ እናሰተዩ እንተለዉ፥ ንጉስ ንኣስቴር “ልመናኺ እንታይ እዩ? ምእንቲ ኽወሃበክስ እንታይ እዩ ድልየትኪ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="7">ኣስቴር ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ንጉስ ከዓ ልመናይ ክትህበንን ድልየተይ ክትገብርን ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ናብቲ ፅባሕ ዝገብሮ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ምፀኒ፤ ሽዑ ኸምቲ ዝጠየቕካኒ፥ ልመናይን ድልየተይን ክነግረካ እየ” ኢላ መለሰት።</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማ ደስ ኢሉዎ፥ ልቡ ኸዓ ተሓጕሱ ኻብቲ ምሳሕ እንትወፅእ እንተሎ መርዶክዮስ ኣብ ደገ ንጉስ ብድድ እንተይበለ፥ ካብኡውን እንተይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሕለፎ ምስ ረአየ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ቍጥዓ መልኦ።</verse>
				<verse number="10">ሃማ ግና ንባዕሉ ኣህዲኡ ሓለፈ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ኸዓ ልኢኹ ንፈተውቱን ንዞሳራ ሰበይቱን ክመፁ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="11">ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም።</verse>
				<verse number="12">ወሲኹ ድማ “ንግስቲ ኣስቴር እኳ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብዘይ ንኣይ ካልእ ኣይፀውዐትን። ንፅባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተፀዊዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">እንተ ኾነ፥ መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዘሎ ግና፥ እዝ ዅሉ ደስ ኣየብለንን እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ዞሳራ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ዅላቶምን ኮይኖም “ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ ኣዳሉ፤ መርዶክዮስ ኣብኡ ኽስቀልስ ፅባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕሪቱይ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዝ ነገር እዙይ ንሃማ ደስ ኣበሎ እሞ፥ ጕንዲ ኸም ዘዳልዉ ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ሓሻኽር ንጉስ ድማ “እንሆ፥ ሃማ ኣብ ቅፅሪ ቤተ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ። ንጉስ ከዓ “ይእቶ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሃማ ድማ ኣተወ፤ ንጉስ ከዓ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ?” ኢሉ ጠየቖ። ሃማ ድማ ብልቡ “ንጉስ ንኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ንመን ከኽብር ይደሊ?” ኢሉ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="7">ንንጉስ ድማ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፥</verse>
				<verse number="8">ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቱ፥ ንጉስ ዝቕመጦ ፈረስ የምፅኡሉ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከዓ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹመኛታት ንጉስ ይወሃብ እሞ፥ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ። ኣብ ፈረስ ኣቐሚጦምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የዙርዎ፤ ቀቅድሚኡ ኸዓ፥ ‘ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ’ ኢሎም ኣዋጅ ይኣውጁ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሃማ ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ፤ ንመርዶክዮስ ድማ ኸደኖ፤ ኣብ ፈረስውን ኣቐመጦ፤ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ቐቅድሚኡ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ” እናበለ ኣዋጅ ነገረ።</verse>
				<verse number="12">መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።</verse>
				<verse number="13">ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ገና ንሳቶም ምስኡ ኽዛረቡ እንተለዉ፥ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መፁ፤ ንሃማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ከምፅእዎ ኸዓ ኣሻዀልዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ንጉስን ሃማን ከዓ ኽመስሑ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መፁ።</verse>
				<verse number="2">በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኽሰትዩ እንተለዉ ድማ እቲ ንጉስ መሊሱ ንኣስቴር “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፥ ልመናኺ እንታይ እዩ? ኽገብረልኪ ድልየትኪ እንታይ እዩ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ እኳ፥ ክህበኪ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="4">ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴር “እቲ ነዙይ ክገብር ዝደፍር መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቓ።</verse>
				<verse number="6">ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላእንስ እዝ ሕሱም ሃማ እዩ” በለት። ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ።</verse>
				<verse number="7">ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቝጥዓ ተሲኡ፥ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣዳራሽ ከደ። ሃማ ግና፥ ንጉስ ክቐፅዖ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፥ ህይወቱ ኽተምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ኣብኡ ተሪፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ንጉስ ከዓ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣዳራሽ ናብቲ ወይኒ ዝሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመለሰ፥ ሃማ ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ “ሕዝስ ድማ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲዶ ኽዕምፃ ደልዩ?” በለ። እዝ ቓል እዙይ ካብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወፀ፥ ንሃማ ገፁ ሸፈንዎ።</verse>
				<verse number="9">ሓርቦና፥ ሓደ ካብቶም ስሉባት፥ ንንጉስ “ሃማ ንመርዶክዮስ፥ ነቲ ንንጉስ ካብ ሞት ዘድሓነ ኽሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ፥ እንሆ፥ ኣብ ቤት ሃማ ተተኺሉ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሃማ ኣብኡ ስቐልዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።</verse>
				<verse number="3">ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?”</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ።</verse>
				<verse number="8">ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም።</verse>
				<verse number="10">መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="11">ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ኣብ ኵለን ሃገራት ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣይሁድ ድማ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንፀላእቶም ሕነ ኽፈድዩ ኽዳለዉስ፥ ቅዳሕ እቲ ፅሕፈት ኣብ ኵለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሃብ፥ ንዅሎም ህዝብታት ተኣወጀ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ዝተቐመጡ ልኡኻት፥ ብትእዛዝ ንጉስ ብቕልጡፍ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ወፁ። ከምኡውን እቲ ትእዛዝ ኣብ ከተማ ሱሳ ተኣወጀ።</verse>
				<verse number="15">መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።</verse>
				<verse number="16">እዙይ ከዓ ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ኣይሁድ ኣብ ኵለን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኸጥፍኡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፤ ፍርሓት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ወዲቑ ስለ ዝነበረ፥ ንኣኣቶም ክቃወም ዝኽእል ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ሹመኛታት እተን ሃገራትን መኳንንትን መሳፍንትን፥ ኵሎም ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ንመርዶክዮስ ስለ ዝፈርሕዎ ንኣይሁድ ሓገዝዎም።</verse>
				<verse number="4">መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="5">ኣይሁድ ንዅሎም ፀላእቶም ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣጥፍእዎምውን። ንዅሎም ፀላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="6">ኣይሁድ ኣብ ሱሳ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ጥራሕ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ቀቲሎም ኣጥፍኡ።</verse>
				<verse number="7">ንፈርሰኔስ፥ ንደልፎን፥ ንፋስጋ፥</verse>
				<verse number="8">ንፋረዳታ፥ ንበርያ፥ ንሰርባካ፥</verse>
				<verse number="9">ንመርመሲማ፥ ንሩፋዮስ፥ ንአርሳዮስ፥ ንዛቡታዮስ፥</verse>
				<verse number="10">ነዞም ዓሰርተ ደቂ ሃማ፥ ወዲ ሃመዳታ ፀላእ ኣይሁድ፥ ቀተልዎም፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቍፅሪ እቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝተቐትሉ ናብ ንጉስ መፀ።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር “ኣይሁድ ኣብ ከተማ ሱሳ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባትን ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ቀተሉ፤ ኣጥፍእዎምውን። ኣብተን ካልኦት ግዝኣተይ ደኣ ኸመይ ገይሮም ይኾኑ? ሕዚኸ እንታይ እዩ ልመናኺ? ኽወሃበኪ እዩ፤ እንታይከ ትደልዪ? ኽፍፀመልኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኣስቴር “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ነዞም ኣብ ሱሳ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ፅባሕ ድማ ኸምዝ ናይ ሎሚ ዝበለ ኽገብሩ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ድማ ኣብ ጕንዲ ኽስቀል፥ ኣዝዝ” በለቶ።</verse>
				<verse number="14">ንጉስ ከዓ “ከምኡ ይገበር” በለ። እቲ ትእዛዝ ኣብ ሱሳ ተውሃበ እሞ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕለ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተኣከቡ፤ ኣብ ሱሳ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣብተን ግዝኣት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ንህይወቶም ክከላኸሉን ካብ ፀላእቶም ዕረፍቲ ኽረኽቡን ተኣከቡ። ካብቶም ፀላእቶም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተገብረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግና ኣዕረፉ፤ መዓልቲ ድግስን ሓጐስንውን ገበርዋ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ ኣርባዕተን መዓልቲ ተኣከቡ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸዓ ኣዕረፉ፤ ንኣኣውን መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ገበርዋ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ኣብ ገጠራትን ኣብ ዘይተዓረዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ናይ ዓብዪ ሓጐስን ድግስን በዓል ዘብዕሉ፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶ ዝወሃሃቡ።</verse>
				<verse number="20">መርዶክዮስ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ፅሒፉ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ መልእኽትታት ሰደደ።</verse>
				<verse number="21">ንመበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትን፥ ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ናይ ወርሒ ኣዳር፥ በብዓመቱ ኸብዕልወን ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="22">እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="23">እቶም ኣይሁድ ድማ ኸምቲ መርዶክዮስ ዝፀሓፈሎም ነቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ በዓል፥ ከብዕልዎ ተሰማምዑ።</verse>
				<verse number="24">ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላእ ዅሎም ኣይሁድ፥ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ። ክድምስሶምን ከጥፍኦምን ከዓ ፉር ዝበሃል ዕፃ፥ ኣውዲቑሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ፉሪም ኢሎም ሰመይወን። “ፉሪም” ካብ ፉር ዝብል ቃል ዝመፀ እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል፥ ከምቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረአይዎን፥ ከምቲ ዅሉ ዝረኸቦምን፥</verse>
				<verse number="27">እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ።</verse>
				<verse number="28">እዘን ፉሪም ዝበሃላ መዓልቲታት እዚኣተን፥ ኣብ ኵሉ ትውልድታት፥ በብዓሌቱን በብሃገሩን በብኸተማኡን ክዝከራን ክበዓላን፥ ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ዅሎም ከብዕልወን፥ መዘከርታአንውን ካብ ዘርኦም ከቶ ኸይጠፍኣ ወሰኑ።</verse>
				<verse number="29">ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢካኢልን መርዶክዮስን፥ ነታ ብዛዕባ ፉሪም እትገልፅ መልእኽቲ ብምሉእ ሓይሎም ከፅንዕዋ ኻልአይቲ መልእኽቲ ፀሓፉ።</verse>
				<verse number="30">ቅዳሕ ናይታ መልእኽቲ ድማ ናብ ኵሎም ኣይሁድ፥ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ተልኣኸ። ኣስቴርን መርዶክዮስን ንዅሎም ኣይሁድ ሰላምን ህድኣትን ተመነዩሎም።</verse>
				<verse number="31">ከምቲ ንሳቶምን ዘርኦምን ብፆምን ብምህለላን ዝሰርዕዎን ኣፅኒዖም ዝሓለውዎን፥ ከምኡ ኸዓ መዓልቲታት ፉሪም ክሕልዉ ኸም ዝግባእ ኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="32">በዝ ኸምዙይ ትእዛዝ ኣስቴር ነዝ ናይ ፉሪም ነገር ኣፅንዖ። እዙይ ከዓ ኣብ መፅሓፍ ተፅሓፈ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ንጉስ ኣርጤክስስ ከዓ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ።</verse>
				<verse number="2">ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኵሉ ግብሩን፥ ምሉእ ታሪክ ናይቲ ንጉስን፥ ንመርዶክዮስ ከመይ ገይሩ ልዕል ከም ዘበሎን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="3">መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣርጤክስስ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። ኣብ ኣይሁድ ክቡር፥ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ህዝቡ ፅቡቕ ክረኽቡ፥ ኵሎም ዘርኡ ድማ ብደሓን ክነብሩ ይፅዕረሎም ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="18">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወሊዶሙሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣወዳት ደቁ ድማ፥ በብተራኣቶም እናተዓዳደሙ፥ ኣብ ገገዛኦም ይመስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከዓ፥ ምእንቲ ምስኣቶም ክበልዓን ክሰትያን፥ ይፅውዕወን ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልቲታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ ኢዮብ ምናልባት ደቀይ በዲሎም ንእግዚኣብሄርውን ብልቦም ፀሪፎም ይኾኑ እናበለ ፀዊዑ ይቕድሶም ነበረ፤ ኣንጊሁ ተሲኡ ብቝፅሪ ነፍሲ ወከፎም ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፤ ኵሉ ጊዜውን ከምዙይ ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ ኣብ ማእኸሎም መፀ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ድማ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ መፃእኹ” ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉን ሓለኻዮ፤ ንተግባር ኢዱውን ባረኽካዮ፤ ምድሪ ዝመልኣ ጥሪት ድማ ሃብካዮ።</verse>
				<verse number="11">እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ።</verse>
				<verse number="13">ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">መልእኽተኛ ናብ ኢዮብ መፂኡ፥ “እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፤ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነበራ፤</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ሰብ ሳባ መፂኦም ሓደጋ ኣውዲቖም ወሰድዎም፤ ነቶም ኣገልገልቲ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ናይ እግዚኣብሄር ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፥ ነተን ጤለ በጊዕን ነቶም ኣገልገልትን ኣቃፀለቶምን በልዐቶምን። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ንሱውን ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ፥ “ከለዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ኾይኖም፥ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ኣብፂሖም ዘመትወን፤ ነቶም ኣገልገልቲውን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱውን ክናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ኣወዳትካን ኣጓላትካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መፂኡ፥ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ፤ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፤ ንሳቶም ከዓ ሞቱ። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።</verse>
				<verse number="21">ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።</verse>
				<verse number="22">ኢዮብ በዝ ዅሉ ዝበፅሖ ኣይበደለን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይነቐፈን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኮነ ኸዓ፥ ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ መፂኡ፤ ኣብ ማእኸሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆመ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ከዓ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ንኢዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ከምኡ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ካብ ክፉእ ዝረሓቐን፥ ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን። ንስኻ ብዘይ ምኽንያት ክተጥፍኦ ኽፈቕደልካ ለመንካኒ፥ ንሱ ግና ኸም ቀደሙ ፍፁም ኮይኑ ይነብር ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ኣዕፅምቱን ስጋኡን ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ንሱ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ግና ህይወቱ ኸይትነክእ ተጠንቀቕ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ።</verse>
				<verse number="8">ኢዮብ ድማ ዝሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ሰበይቱ “ገናዶ ኸም ቀደምካ ፍፁም ኴንካ ትነብር ኣለኻ? ንእግዚኣብሄር ፅረፍሞ ሙት” በለቶ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ግና “ንስኺ ኸም ኣዘራርባ ሰነፍ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብ እግዚኣብሄር ሰናይ ነገር ካብ ተቐበልና፥ ነቲ መከራኸ ኽንቅበልዶ ኣይግብአናን እዩ?” በላ። ኢዮብ በዝ ዅሉ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብኸንፈሩ ኣይበደለን።</verse>
				<verse number="11">ኤሊፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ዝበሃሉ ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ፥ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ምስኡ ኽሓዝኑን ከፀናንዕዎን ንኺድ ተበሃሂሎም ከካብ ዓዶም መፁ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ምስኡ ቐነዩ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረአዩ ድማ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ኣፉ ኸፊቱ፥ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ ድማ በለ፦</verse>
				<verse number="3">“እታ ኣነ ዝተወለድኩላ መዓልትን፥ እታ ወዲ ተጠኒሱላ እተብሃለትላ ለይትን ትጥፋእ።</verse>
				<verse number="4">እታ መዓልቲ እቲኣ ፀልማት ትኹን፤ እግዚኣብሄርውን ካብ ላዕሊ ኣይመልከታ፤ ብርሃን ድማ ኣብኣ ኣይብራህ።</verse>
				<verse number="5">ፀልማትን ድነ ሞትን ገንዘቦም ይግበርዋ፤ ደመናውን የጐልብባ፤ እቲ ንመዓልቲ ዘፀልምት ድማ የደንግፃ።</verse>
				<verse number="6">ነታ ለይቲ እቲኣ ፀልማት ይዓፍና፤ ምስተን ናይ ዓመት መዓልቲታት ኣይትተሓሰብ፤ ኣብ ቍፅሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="7">እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፤ ዕልልታውን ኣይእተዋ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ንመዓልቲ ዝረግሙ፥ ንሌዋታን ድማ ኸንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ።</verse>
				<verse number="9">ንሳ ነቲ ማዕፆ ማህፀን ወላዲተይ ስለ ዘይዓፀወቶ፥ ነቲ መከራ ድማ ኻብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፥ ናይ ወጋሕታ ኸዋኽብታ ይፀልምቱ፤ ናይ ወጋሕታ ጩራ ኣይሃልዋ፤ ናይ ወጋሕታ ቕርንብ ዓይኒ ኸቶ ኣይትርአ።”</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">“ኣብ ማህፀን እኖይ እንተለኹ ስለ ምንታይ ዘይሞትኩ? ወይ ካብኡ ወፂአስ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ዘይጠፋእኹ?</verse>
				<verse number="12">ስለ ምንታይከ ኣብራኽ ተቐበሉኒ? ስለ ምንታይከ ጡብ ጠበኹ?</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ደቂሰ ስቕ ምበልኩ ነይረ፤ ተታኺሰውን ምዓረፍኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="14">ምስቶም ነገስታትን ገዛእቲ ምድርን፥ ምስቶም ዓንዩ ዘሎ ኣዳራሻት ዘህነፁን፥</verse>
				<verse number="15">ምስቶም ገዛውቶም ብብዙሕ ወርቂ ዝደለቡን፥ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንትን፥ መዕረፍኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="16">ወይ ከም ዝተቐበረ ቝላዕ፥ ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ህፃን ምኾንኩ ነይረ!</verse>
				<verse number="17">ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="18">ኣብኡ እሱራት ብሓባር ኣዕሪፎም ኣለዉ፤ ድምፂ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="19">ኣብኡስ ንእሽተይን ዓቢይን ሓደ እዮም፤ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወፂኡ እዩ።”</verse>
				<verse number="20">“ብመከራ ንዘለዉ ብርሃን፥ ነፍሶም መራር ንዝኾነቶም፥</verse>
				<verse number="21">ዝተሓብአ ሃብቲ ኻብ ዝዅዕቱ ንላዕሊ፥ ንሞት ዝሕልዉዎሞ ንዘይረኽብዎ፥</verse>
				<verse number="22">ንመቓብር ምስ ረኸቡ ብዕልልታ ደስ ዝብሎም፥ ሓሴትውን ንዝገብሩ፥ ህይወት ንምንታይ ተውሃበ?</verse>
				<verse number="23">ነቲ መንገዱ ዝተሰወሮ፥ ነቲ እግዚኣብሄርውን ብሓፁር ዝሓፀሮ ሰብ ስለ ምንታይ እዩ ብርሃን ዝተውሃቦ?</verse>
				<verse number="24">ቅድሚ እንጀራይ ብኽያተይ መፂኡ እዩሞ፥ ገዓረይውን ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ዝፈራሕኽዎ ነገር መፂኡኒ፤ እቲ ዝደንገፅኵሉውን በፂሑኒ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሃዲአ ኣይተቐመጥኩን፤ ኣይተኣማመንኩን፤ ኣይዓረፍኩን ግና መከራ መፀኒ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ኢዮብ ሓደ ሰብ ምሳኻ ኽናገር እንተ ፈተነዶ ትቕየም ኢኻ? ዘረባኡ ኻብ ምዝራብ ዝዓግትከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ንስኻ ንብዙሓት ሰባት ትምህር ነበርካ፤ ንዝደኸማ ኣእዳው ከዓ ተበርትዕ ነበርካ።</verse>
				<verse number="4">ቃልካ ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ይድግፎም ነበረ፤ ንስኻውን ረይረይ ንዝብሉ ኣብራኽ ተፅንዕ ነበርካ።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ግና ኣብ ልዕሌኻ መፀ፤ ንስኻውን ደኸምካ፤ ኣባኻ በፅሐ፤ ንስኻውን ተሸገርካ።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕኻ፥ ምፅንናዕካ፥ መንገዲ ቕንዕናኻውን ተስፋኻዶ ኣይኮነን?”</verse>
				<verse number="7">“በይዛኻ ኣስተውዕል፥ ንፁህ እንተሎ ዝጠፍአ፤ ልቡ ቅኑዕ ኾይኑ ድማ ዝተደምሰሰ መንዩ?</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኸም ዝረአኹዎ፦ እቶም ሓጢኣት ዝሓርሱ፥ መከራውን ዝዘርኡ፥ ንእኡ እዮም ዝዓፅዱ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ብእስትንፋስ እግዚኣብሄር ይጠፍኡ፤ ብመንፈስ ቍጥዓኡውን ይድምሰሱ።</verse>
				<verse number="10">ምጕዛም ኣንበሳ፥ ድምፂ እቲ ጓዛሚ ኣንበሳ፥ ኣስናን ደቦል ኣንበሳ ተሰባበረ።</verse>
				<verse number="11">ኣረጊት ኣንበሳ ሃደን ስኢኑ ይመውት፤ ኰራዅር እታ ዋዕሮ ኸዓ ፋሕ ይብሉ።”</verse>
				<verse number="12">“ንኣይ ግና ብሕቡእ ቃል መፀኒ፤ እዝነይ ድማ ነቲ ሕሽዅሹኽ ሰምዐት።</verse>
				<verse number="13">ብሕልሚ ለይቲ ሓሳብ እንትለዓል፥ ዝኸበደ ድቃስውን ኣብ ልዕሊ ሰባት እንትወድቕ፥</verse>
				<verse number="14">ንዅሉ ኣዕፅምተይ ዘናወፁ፥ ድንጋፀን ምንቅጥቃጥን ወደቑኒ።</verse>
				<verse number="15">መንፈስውን ብቕድመይ ሓለፈ፤ ፀጕሪ ስጋይ ቆመ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ቖመ፤ መልክዑ ግና ኣየለለኽዎን፤ ምስሊ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ነበረ፤ ህድኣት ኮነ፤ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="17">ብሓቂ ሰብዶ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቕ ክኸውን፥ ወይ ከዓ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ኽነፅህዶ ይኽእል እዩ?</verse>
				<verse number="18">እንሆ፥ ንኣገልገልቱ እኳ ኣይተኣማመኖምን፤ ንመላእኽቱውን ስንፍና ይኸሶም።</verse>
				<verse number="19">እምበኣርከስ እቶም ኣብ ጭቃ ቤት ዝነብሩ፥ መሰረቶምውን ኣብ ውሽጢ ሓመድ ዝኾነ፥ ከም ሓሰኻ እውን ዝጭፍለቑ ኸመይ ይኾኑ!</verse>
				<verse number="20">ኣብ መንጎ ጊሓትን ምሸትን ይሰባበሩ፤ ማንም እንተይሓሰቦ ንዘለኣለም ይጠፍኡ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፤ ብዘይ ጥበብ ከዓ ይሞቱ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">“ሕዚ እውን ፀውዕ፥ ዝምልሰልካ ኣሎዶ? ካብ ቅዱሳንከ ናብ ኣየንኦም ግልፅ ክትብል ኢኻ?</verse>
				<verse number="2">ንሰነፍ ሰብ፥ ቍጥዓ ይቐትሎ፤ ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ።</verse>
				<verse number="3">ሰነፍ ሰብ ሱር ሰዲዱ ረአኽዎ፤ ብድንገትውን ንቤቱ ረገምክዋ።</verse>
				<verse number="4">ደቁ ኻብ ድሕነት ርሒቖም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ዝኣከቦውን ዝጠመየ ይበልዖ፤ እኳ ደኣ ኻብ ውሽጢ ዕሾኽ የውፅኦ፤ ዝፀምአ ነቲ ሃብቶም ይውሕጦ።</verse>
				<verse number="6">መከራ ኻብ ሓመድ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ሽግርውን ካብ ምድሪ ኣይበቍልን።</verse>
				<verse number="7">ናይ ኣሞራ ጫቚታት ንላዕሊ እናነፈሩ ልዕል ከም ዝብሉ፥ ከምኡውን ሰብ ንመከራ እዩ ዝውለድ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ምለመንኩ፤ ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥ ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤ ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።</verse>
				<verse number="11">ንዝተዋረዱ ናብ ላዕሊ የደይቦም፤ ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥ ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።</verse>
				<verse number="13">ንጠቢባን ብተንኰሎም ይሕዞም፤ ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ።</verse>
				<verse number="14">ብፀሓይ፥ ቀትሪ ይፅልምቶም፤ ብቐትሩ ድማ ኸም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።</verse>
				<verse number="15">ንምስኪን ካብ ሰይፊ ኣፎም፥ ካብ ኢድ ሓያልውን የድሕኖም።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ነቲ ምስኪን ተስፋ ኣለዎ፤ ክፍኣትውን ኣፋ ኽትዓፁ እያ።”</verse>
				<verse number="17">“እንሆ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝግስፆ ሰብስ ብፁእ እዩ፤ ስለዙይ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተግሳፅ ኣይትንዓቕ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ይሰብር፤ ይፅግንውን፤ የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤ ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፥ ብጊዜ ውግእ ካብ ሰይፊ፥ ከድሕነካ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ጭጕራፍ መልሓስ ክትስወር ኢኻ፤ ጥፍኣት ክመፅእ እንተሎ፥ ኣይትፈርሕን ኢኻ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ልዕሊ ጥፍኣትን ጥሜትን ክትስሕቕ፥ ካብ ኣራዊት ምድሪ እውን ኣይትፈርሕን።</verse>
				<verse number="23">ቃል ኪዳንካ ምስ ኣእማን በረኻ ክኸውን እዩሞ፥ ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ።</verse>
				<verse number="24">ድንኳንካውን ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፤ ንደምበኻ ክትምልከቶ ኢኻ፤ ሓደኳ ኣይጐድለካን።</verse>
				<verse number="25">ዘርእኻውን ዓብዪ ኸም ዝኸውን፥ ትውልድኻ ድማ፥ ከም ሳዕሪ ምድሪ ኸም ዝኸውን ክትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="26">ኵልሱስ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዝኣቱ፥ ዕድመ ፀጊብካ ኽትቅበር ኢኻ።”</verse>
				<verse number="27">“እንሆ ነዙይ መርመርና፤ ዝሰማዕናዮውን እዙይ እዩ፤ ንስኻ ግና ዝኾነ ሰሪሕኻ እንተ ዄንካ ንባዕልኻ ፍለጦ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ወዮ፥ ትካዘይ እንተ ዝምዘን፥ ኵሉ መከራይውን ኣብ ሚዛን እንተ ዝምዘን!</verse>
				<verse number="3">ካብ ሑፃ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፤ ስለዙይ ቃለይ ምግታእ እስእን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥ ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤ ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤ ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="5">“ንምዃኑ ኣድጊ በረኻዶ፥ ሳዕሪ እንተለዎ ይሃልል እዩ? ብዕራይከ፥ ሓሰር እንተለዎዶ እምባሕ ይብል እዩ?</verse>
				<verse number="6">መቐረት ዘይብሉ ብልዒ ብዘይ ጨውዶ ይብላዕ እዩ? ማይ እንቍላሊሕኸ ጣዕሚዶ ኣለዎ እዩ?</verse>
				<verse number="7">ሰብነተይ ክትነኽኦ እምቢ በለቶ፤ ከም ዘፀይፍ ብልዒ ኾነኒ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣየ፥ ኣበይሞ ፀሎተይ እንተ ዝስማዕ! እግዚኣብሄር ዝምነዮ እንተ ዝህበኒ!</verse>
				<verse number="9">ኣበይሞ እግዚኣብሄር ፍቓዱ ኾይኑ እንተ ዝሰባብረኒ! ኢዱ ዘርጊሑ ኸዓ እንተ ዘጥፍአኒ!</verse>
				<verse number="10">ንቓል እቲ ቕዱስ ኣይከሓድኩዎን እሞ፥ ምተፀናናዕኹ ነይረ፤ ስቓይ እኳ እንተ በርትዐኒ ታሕጓስ ምገበርኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="11">ክፅመምስ ሓይለይ እንታይ እዩ? ንኽዕገስከ መወዳእታይ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="12">ሓይለይዶ ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይከ ከም ነሃስ ድዩ?</verse>
				<verse number="13">ብሓቂ ረድኤት ኣባይ ከም ዘየለ፥ ኵሉ ጥበብውን ካባይ ከም ዝተባረረዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="14">እቲ ንብፃዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፥ ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ።</verse>
				<verse number="15">ኣሕዋተይ ግና ኸምቲ ዝነፅፍ ሩባታትን፥ ከም ዝሓልፍ ውሕጅን ጠለምቲ ኾኑኒ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሩባታት ብዝሓቅቕ በረድ ይፅልሙ፤ ብዝሓቅቕ ኣስሓይታውን ይመልኡ።</verse>
				<verse number="17">ፀሓይ ምስ በርትዐት ይነቕፁ፤ ሃሩር ምስ በርትዐ፥ ካብ ስፍራኦም ይጠፍኡ።</verse>
				<verse number="18">ብወሰኖም ዝኸዱ ነጋዶ ድሕር ይብሉ፤ ናብ ምድረ በዳ ወፂኦም ከዓ ይጠፍኡ።</verse>
				<verse number="19">ናይ ቴማን ነጋዶ ናብኡ የማዕድዉ፤ ናይ ሳባ ሓለፍቲ መንገዲውን ንኡኡ ተስፋ ይገብሩ።</verse>
				<verse number="20">ብኣኣቶም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሓፈሩ፤ ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ እውን ንስኻትኩም ከምኡ ፍረ ዘይብልኩም ኢኹም፤ መከራይ ርኢኹም ፈራሕኹም።</verse>
				<verse number="22">ብሓቂ ኣነዶ ‘ዝኾነ ነገር ኣምፅኡለይ፥ ወይ ካብ ሃብትኹም ውህብቶ’ ኣቕርቡለይ?</verse>
				<verse number="23">ወይ ‘ካብ ኢድ ፀላእየይ ኣናግፉኒ፤ ወይ ካብ ኢድ መጨነቒ ኣድሕኑኒዶ’ ኢለኩም እየ?”</verse>
				<verse number="24">“መሃሩኒ እሞ ኣነውን ስቕ ክብል እየ፤ እቲ ዝተጋጌኽዎ ድማ ኣፍልጡኒ።</verse>
				<verse number="25">ቃል ቅንዕና ኸመይ ሓያል እዩ፤ ምጕትኩም ግና እንታይ ይግስፅ?</verse>
				<verse number="26">ተስፋ ናይ ዝቘረፀ ሰብ ዘረባ ኸም ንፋስ እዩሞ፥ ንቓለይ ክትግስፁዶ ትሓስቡ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="27">ኣብ ልዕሊ ደኽታም ዕፃ ትዋደቑ፤ ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="28">በይዛኻትኩም ሕዚ እውን ናባይ ተመልከቱ፤ ኣብ ቅድሜኹም ሓሰት ኣይዛረብን እየ።</verse>
				<verse number="29">በይዛኻትኩም ተመለሱ ደኣ፥ በደል ኣይኹን፤ ፅድቀይ በዝ ነገር እዙይ እዩሞ ሓደ ጊዜ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="30">ብሓቂ ኣብ ኣንደበተይዶ በደል ይርከብ? ኣፈይከ ተንዀል ክፈሊዶ ኣይኽእልን እዩ?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን? መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ኸፅልል ዝናፍቕ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ደመወዙ ዝፅበ በዓል ውዕለት፥</verse>
				<verse number="3">ከምኡ ነኣይ፥ ወርሓት ከንቱ ኾነኒ፤ ናይ ፃዕሪ ለይትታት ድማ ተወሰናለይ።</verse>
				<verse number="4">ምስ ደቀስኩ ‘መኣዝ ኮን ክትስእ እየ?’ እብል። ለይቲ ግና ይነውሕ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ እገላበጥ።</verse>
				<verse number="5">ስጋይ ብሓሰኻን ብቕራፍን ተሸፊኑ፤ ቈርበተይውን እናተጨደደ ይመግል።</verse>
				<verse number="6">መዓልትታተይ ካብ መወርወሪ ኣላማይ ይቕልጥፋ፤ ብዘይ ተስፋውን ይውድኣ።”</verse>
				<verse number="7">“ኦ እግዚኣብሄር! ህይወተይ እስትንፋስ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን።</verse>
				<verse number="8">ዝሪአኒ ዘሎ ዓይኒ ሰብ መሊሱ ኣይሪአንን እዩ፤ ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን።</verse>
				<verse number="9">ደመና ተበቲኑ ኸም ዝጠፍእ፥ ከምኡ ናብ መቓብር ዝወርድ ሰብ መሊሱ ኣይወፅእን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ናብ ቤቱ ኸቶ ኣይምለስን፤ ቦታኡውን መሊሱ ኣየለልዮን።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ኣፈይ ኣይክልክልን እየ፤ መንፈሰይ ስለ ዝተሃወኸ ኽዛረብ እየ፤ ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ።</verse>
				<verse number="12">ስለ ምንታይ ሓላዊ ትገብረለይ? ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ?</verse>
				<verse number="13">‘መንፀፈይ ከፀናንዐኒ፥ ምድቃሰይውን ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ’ እንተ በልኩ፥</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሐኒ፤ ብራእይውን ተደንግፀኒ፤</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ኢልካ ኻብ ምንባር፥ ነፍሰይ፥ ተሓኒቕካ ሙማት መረፀት።</verse>
				<verse number="16">ንህይወተይ ነዓቕክዋ፤ ንዘለኣለም ክነብር ኣይደልን፤ ዘመን ህይወተይ ከም ትንፋስ እዩ እሞ፥ ሕደገኒ።</verse>
				<verse number="17">“ንኽተኽብሮ ልብኻውን ንኽትህቦ፥ ሰብ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="18">በብፅባሕ እትቋመቶ፥ በብቕፅበትውን እትፈታተኖስ፥ ሰብ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="19">ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሓድገኒ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ዘይትሓድገኒኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?</verse>
				<verse number="20">ኣታ ንሰብ እትከታተል፥ በዲለ እንተ ኾይነስ፥ እንታይ ክገብረልካ? ስለ ምንታይ ኢኻ ዒላማኻ ዝገበርካኒ? ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ?</verse>
				<verse number="21">ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ? ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ? ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥ ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እዙይ እትናገር? ቃል ኣፍካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ንፋስ ኣውሎ ዝኸውን?</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄርዶ ፍትሒ የቐይንን እዩ? እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ደቅኻ ንእግዚኣብሄር በዲሎምዎ እንተ ነይሮም፥ ንሱውን ኣብ ኢድ በደሎም እንተ ደርበዮም፥</verse>
				<verse number="5">ንስኻ ግና ሕዚ ናብ እግዚኣብሄር እንተ እትግስግስ፥ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሕረትውን እንተትልምኖ፥</verse>
				<verse number="6">ንፁህን ቅኑዕን እንተ ዄንካ፥ ብሓቂ ምእንታኻ ኽነቅሕ እዩ፤ ንናይ ፅድቅኻ መንበሪውን ከሳኽዐልካ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ጅማሮኻ ንእሽተይ እኳ እንተ ኾነ፥ ፍፃሜኻ እምብዛ ዝበዝሐ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="8">“እስኪ ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልዲ ጠይቆም፤ ነቲ ኣቦታቶም ዝፈለጥዎ ድማ ኣስተብህሎ።</verse>
				<verse number="9">ንሕና ዝኾነ ዘይንፈልጥ ትማሊ ዝተወለድና ኢና፤ መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት እየን።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ዝምህሩኻን ዝነግሩኻን፥ ካብ ልቦናኦም ቃል ኣውፂኦምዶ ኣይኮኑን?”</verse>
				<verse number="11">“ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይዓቢ እዩ? ማይ ኣብ ዘይብሉኸ ሰቲዶ ይልምልም?</verse>
				<verse number="12">ንሱ ብለምለሙ እንተሎን እንተይተበቘሰን፥ ቅድሚ ዅሉ ሳዕሪ ይነቅፅ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኵሎም ንእግዚኣብሄር ዝርስዕዎ ድማ፥ ፍፃሜኦም ከምኡ እዩ፤ ተስፋ እቲ ዝንጉዕውን ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="14">ተስፋኡ ይቋረፅ፤ እምነቱውን ከም ሰፈር ሳሬት ይኸውን።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ንቤቱ ይድግፎ፤ ግና ኣይቖመሉን፤ ይሕዞውን፥ ግና ኣይፀንዐሉን።</verse>
				<verse number="16">“ንሱ ብፀሓይ ይልምልም፤ ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሰራውሩ ይሰድድ፤ ኣብ መንጎ ኣእማን ከዓ ስፍራ የዳሉ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ቦታኡ እንተ ጠፍአ፥ ኣይረአኹኻን ኢሉ ይኽሕዶ።</verse>
				<verse number="19">እንሆ መንገዲ ደስታኡ ኸምኡ እዩ፤ ካልኦትውን ካብቲ መሬት ይበቝሉ።”</verse>
				<verse number="20">“እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንቕኑዕ ሰብ ኣይድርብዮን እዩ፤ ንኢድ ሓጢኣተኛታትውን ኣየበርትዕን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ገና ንኣፍካ ብስሓቕ፥ ንኸናፍርካውን ብዕልልታ ኽመልኦ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ዝፀልኡኻ ሕፍረት ክኽደኑ እዮም፤ ድንኳን እቶም ክፉኣት ከዓ ኽጠፍእ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">ከምኡ ምዃኑስ ብርግፅ እፈልጥ እየ፤ ግና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከመይ ኢሉ ፃድቕ ክኸውን ይኽእል?</verse>
				<verse number="3">ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ክማጐት እንተ ደለየ፥ ካብ ሽሕ ነገር ንሓደ እኳ ኽመልስ ኣይምኸኣለን ነይሩ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?</verse>
				<verse number="5">ንሱ ንእምባታት እንተይፈለጡ ይነቕሎም፤ ብብርቱዕ ቝጥዓኡውን ይገለባብጦም።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ንፀሓይ ይእዝዛሞ ኣይትበርቕን፤ ንኸዋኽብቲውን ይሓትሞም።</verse>
				<verse number="8">ንሱ በይኑ ንሰማያት ዘርግሖ፤ ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ።</verse>
				<verse number="9">ድቢ ንዝበሃል ኮኸብን ኣርዮ ንዝበሃል ኮኸብን፥ ንሸውዓተ ከዋኽብትን ብወገን ደቡብ ንዘለዉ መሕደሪታት ከዋኽብቲ ዝፈጠረ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ዘይምርመሩን ዓበይቲ ነገራትን ይገብር፤ ቍፅሪ ዘይብሉ ተኣምራትውን ይገብር።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ንሱ እንተ መፀኒ፥ ኣነ ኣይሪኦን፤ መሊሱ እንትሓልፈኒውን ኣየስተብህሎን?</verse>
				<verse number="12">እንሆ፥ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መንጠለ መን ክኽልክሎ ይኽእል? “ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤ ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እምበኣርከስ ክምልሰሉ፥ ቃለይውን ኣብ ቅድሚኡ ኽመርፅ ዝኽእል ኣነ መን እየ?</verse>
				<verse number="15">ፃድቕ እንተ ዝኸውን፥ ንፈራድየይ ምሕረት ደኣ ምለመንክዎ እምበር፥ ኣይምመለስኩሉን።</verse>
				<verse number="16">ፀዊዐዮ እንተ ዝምልሰለይ እኳ፥ ንድምፀይ ፅን ከም ዝበሎ ኣይምኣመንኩን።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ብንፋስ ኣውሎ ወቕዐኒ፤ ብዘይ ምኽንያት ድማ ንቝስለይ የብዝሖ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ምረት ደኣ የፅግበኒ ኣሎ እምበር፥ ክትንፍስ ኣይሓደገንን።</verse>
				<verse number="19">ብሓይሊ እንተ ኾይኑ፥ ንሱ ሓያል እዩ፤ ብፍርዲ እንተ ኾይኑ ኸዓ ጊዜ ዝውስን መን እዩ?</verse>
				<verse number="20">ፃድቕ እንተ ዝኸውን እኳ ኣፈይ ይወቕሰኒ፤ ፍፁም እንተ ዝኸውንውን ዓማፂ ምገበረኒ ነይሩ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ፍፁም እየ፤ ግና ብዛዕባ ነፍሰይ ግዲ የብለይን፤ ንህይወተይውን እንዕቓ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">እዝ ዅሉ ሓደ እዩ፤ ስለዙይ፦ “ንፍፁማንን ንሓጥኣንን ብሓደ የጥፍኦም እብል ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="23">መቕሰፍቱ ቐልጢፉ እንተ ቐተለ፥ ንሱ ብፈተና እቶም ንፁሃት የላግፅ።</verse>
				<verse number="24">ምድሪ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ተውሂባ ኣላ፤ ገፅ እቶም ፈራዶ እውን ሸፈነ፤ ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ?</verse>
				<verse number="25">መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤ ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="26">ንሳተን ከም ቅልጥፍቲ ጃልባ ሸምበቆ፥ ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ።</verse>
				<verse number="27">ኣነ “ሓዘነይ ረሲዐ፥ ገፀይ ኣብሪሀ፥ ክሕጐስ ደኣ” እንተ በልኩ፥</verse>
				<verse number="28">ንፁህ ከም ዘይትገብረኒ ኣነ እፈልጥ ኣለኹሞ፥ ካብ ኵሉ መከራይ እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="29">እምበኣር ከም በደለኛ ዝቝፀር እንተ ደኣ ኾይነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝደክም?</verse>
				<verse number="30">ብማይ በረድ እንተ ዝሕፀብ፥ ኣእዳወይውን ኣፀቢቐ እንተ ዘፅሪ እኳ፥</verse>
				<verse number="31">ንስኻ ኣብ ውሽጢ ዓዘቕቲ ተስጥመኒ፤ ክዳውንተይ እኳ ይፅየፈኒ።</verse>
				<verse number="32">ንሱ ኸማይ ሰብ ስለ ዘይኮነ ኣይምልሰሉን፤ ክማጐቶውን ኣይክእልን እየ።</verse>
				<verse number="33">ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥ ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።</verse>
				<verse number="34">በትሩ ኻባይ የርሕቕ፤ ግርማኡውን ኣየፍርሐኒ፤</verse>
				<verse number="35">ክናገርውን ኣይምፈራሕኽዎን ነይረ፤ ኣነ ግና ብባዕለይ ኸምኡ ኣይኮንኩን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">“ነፍሰይ ንህይወተይ ሰልከየታ፤ ስለዙይ ጥርዓነይ ብቝዘማ ኸስምዕ እየ፤ ብምረት ነፍሰይ ድማ ኽዛረብ እየ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፤ ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።</verse>
				<verse number="3">ክተጨንቕን፥ ንስራሕ ኢድካኸ ክትንዕቕን፥ ንምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ክተብርህስ፥ ብኣኻ ፅቡቕ ድዩ?</verse>
				<verse number="4">ዓይንኻ ኸም ዓይኒ ሰብ ድዩ? ወይ ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ?</verse>
				<verse number="5">መዓልቲታትካ ኸም መዓልቲታት ሰብ ድየን? ዓመታትካኸ ኸም ዓመታት ወዲ ሰብ ድየን?</verse>
				<verse number="6">ስለ ምንታይ ደኣ ሓጢኣተይ እትምርምር? ብበደለይ ከዓ እትከታተለኒ ዘለኻ?</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕሊ እዙይውን በዳሊ ኸም ዘይኮንኩ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣእዳውካ ቐረፃኒ፤ ሰርሓኒውን፤ ሕዚ ግና ኽተጥፍአኒ ትደሊ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="9">ከም ጭቃ ኸም ዝለወስካኒ ዘክር፤ ሕዚ ደኣ ስለ ምንታይ፥ ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ትደሊ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="10">ከም ፀባዶ ኣየፍሰስካንን? ከም ርግኦስ ኣየርጋእኻንን ዲኻ?</verse>
				<verse number="11">ቈርበትን ስጋን ኸደንካኒ፤ ብዓፅምን ጅማትን ኣገጣጠምካኒ።</verse>
				<verse number="12">ህይወት ሃብካኒ፤ ሕያዋይነትካ ድማ ኣርአኻኒ፤ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ።</verse>
				<verse number="13">ነዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሓባእኻ፤ ሓሳብካ እዙይ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ንስኻ ትምልከተኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ንፁህ ኣይትገብረንን።</verse>
				<verse number="15">ሓጥእ እንተ ኾንኩ ወይለይ! ፃድቕ እንተ ኾንኩውን ርእሰይ ከቕንዕ ኣይክእልን፤ ውርደት ተመላእኹ፤ መከራይውን እርኢ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ርእሰይ ልዕል እንተ ዘብል ድማ፥ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፤ መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ዘደንቕ ሓይልኻ መርአኻ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ልዕለይ ሓደስቲ መሰኻኽር መቖምካለይ፥ ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕኻዮ፤ ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።”</verse>
				<verse number="18">“ንምንታይ ደኣ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ? ኣበይሞ ዓይኒ እንተይረአየኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን!</verse>
				<verse number="19">ከም ዘይነበረ ምኾንኩ፤ ካብ ማህፀንውን ናብ መቓብር ምተወሰድኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="20">መዓልቲታት ህይወተይ ውሑዳትዶ ኣይኮናን?</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ናብታ ዘይምለሰላ ቦታ ቕድሚ ምኻደይ፥ ናብ ምድሪ ፀልማትን ፅላል ሞትን፥</verse>
				<verse number="22">ከም ፀልማት ናብ ዝፀልመተት፥ ስርዓት ናብ ዘይብላ ናብ ፅላል ሞት፥ ብርሃና ከም ፀልማት ናብ ዝኾነ ምድሪ እንተይከድኩ፥ ቍሩብ ምእንቲ ደስ ክብለኒ ሕደገኒ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ነዝ ዅሉ ብዝሒ ቓላት እዙይዶ፥ ምላሽ ምሃብ ኣይግብኦን እዩ? ወይ ከዓ ተናጋሪ ሰብዶ፥ ከም ፃድቕ ይቝፀር እዩ?</verse>
				<verse number="3">ትምክሕትኻኸ ንሰብዶ ስቕ የብሎ እዩ? እንተ ኣላጊፅካስ ዘሕፍረካዶ የለን?</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ‘ትምህርተይ ዝተፃረየ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻውን ንፁህ እየ’ ትብል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="5">ኣበይሞ እግዚኣብሄር እንተ ዝዛረበካ፤ ኣባኻውን ከንፈሩ እንተ ዝኸፍት!</verse>
				<verse number="6">ኣበይሞ ናይ ጥበብ ምስጢራት፥ ካብቲ ዘሎ ዕፅፊ ምዃኑ እንተ ዝገልፀልካስ፥ እግዚኣብሄር ንሓጢኣትካ፥ ካብ ዝግባእ ኣንኢሱ ኸም ዘኸፍለካ ምፈለጥካ።”</verse>
				<verse number="7">“ንዕሙቕ ነገራት እግዚኣብሄር ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ? ንምልኣት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="8">ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፤ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ካብ ሲኦልውን ይዓምቝ፤ እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል?</verse>
				<verse number="9">መጠኑ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፤ ካብ ባሕሪ እውን ይሰፍሕ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ እንተ ሓለፈ፥ እንተ ዓፀወን፥ ጉባኤውን እንተ ኣከበ፥ መን ክኽልክሎ ይኽእል?</verse>
				<verse number="11">ንሱ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ሰባት ይፈልጦም፤ ዓመፅ እናረአየውን ስቕ ኢሉ ኣይምልከትን።</verse>
				<verse number="12">ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል ካብ ዝመሃር፥ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል።</verse>
				<verse number="13">“ኢዮብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልብኻ ኣቕንዕ፤ ኣእዳውካውን ናብኡ ዘርግሕ፤</verse>
				<verse number="14">ኣብ ኢድካ ዓመፃ እንተ ሃልዩ፥ ኣርሕቆ፤ ኣብ ቤትካውን ግፍዒ ኣይተንብር።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ብሓቂ ብዘይ ሕፍረት ገፅካ ኽተቕንዕ ኢኻ፤ ፅኑዕ ትኸውን እምበር ኣይትፈርሕን ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ንመከራኻ ኽትርስዖ ኢኻ፤ ከም ዝሓለፈ ውሕጅ ክትሓስቦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊፃ ኽትበርህ እያ፤ ፀልማት እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ጊሓት ይኸውን።</verse>
				<verse number="18">ተስፋ ስለ ዘለካውን ተኣማሚንካ ኽትነብር ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኻ ተማዕዱ፥ ብህድኣትውን ክትዓርፍ ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">ዘፍርሕ ዘይብልካ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ብዙሓትውን ልመና ኸቕርቡልካ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ኣዒንቲ ኽፉኣት ግና ኽፅልምታ እየን፤ ዝሃድሙሉውን ይስእኑ፤ ተስፋኦም ድማ ንነፍሶም ምሕላፍ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“እምበኣር ብሓቂ ንስኻትኩም ኣውራታት ሰባት ኢኹም! ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ!</verse>
				<verse number="3">ግና ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣለኒ፤ ካባኻትኩም ዝንእስ ኣይኮንኩን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘይፈልጥከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="4">ኣነ መስሓቒ ብፆቱ ኸም ዝኾነ ሰብ ኮይነ ኣለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ዝፀዋዕኹዎ፥ ንሱውን ዝመለሰለይ ኣነ እየ፤ ፃድቕን ፍፁምን ዝኾነ ሰብ መላገፂ ኾነ።</verse>
				<verse number="5">ብሓሳብ እቲ ኣብ ምቾት ዝነብር ሰብ፥ መከራ ዝተንዓቐ እዩ፤ ግና እግሩ ኸንደልህፆ ተዳልዩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">ቤት እቶም ከተርቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘቘጥዑውን፥ ብህድኣት ይነብሩ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ኢዶም ኣምፂኡሎም እዩ።”</verse>
				<verse number="7">“ግና ንእንስሳት ጠይቕወን እሞ፥ ክምህራኹም እየን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን ጠይቕወን፥ ክነግራኹም እየን።</verse>
				<verse number="8">ወይ ከዓ ንምድሪ ጠይቕዋ እሞ ኽትምህረኩም እያ፤ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ዓሳታትውን ጠይቕዎም ክነግሩኹም እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኢድ እግዚኣብሄር፥ እዙይ ከም ዝገበረ ካብዚኣቶም ዘይፈልጥ መን እዩ?</verse>
				<verse number="10">ነፍሲ ዅሎም ህያዋንን፥ እስትንፋስ ኵሉ ወዲ ሰብን ኣብ ኢዱ እያ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ መልሓስ ንምግቢ ዘስተማቕር፥ እዝኒ ድማ ንቓል ዝፈልዮዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="12">ጥበብ ኣብ ሽምግልና፥ ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።”</verse>
				<verse number="13">“ጥበብን ሓይልን ኣብ እግዚኣብሄር ኣሎ፤ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤ ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ ንሱ ንማያት ይኽልክሎም፤ ንሳቶምውን ይነፅፉ፤ ከፊቱ እንተ ሰደዶም ድማ፥ ንምድሪ የዕለቕልቑዋ።</verse>
				<verse number="16">ሓይልን ጥበብን ናይ እግዚኣብሄር እየን፤ እቲ ዝስሕትን ዘስሕትን ናቱ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ንመማኽርቲ ፍልጠቶም የሕድጎም፤ ንፈረድቲ እውን ሰነፋት ይገብሮም።</verse>
				<verse number="18">ናይ ነገስታት እስራት ይፈትሕ፤ ንሕቘኦም ድማ ብመዕጠቒ ይኣስር።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፤ ንሓያላት ድማ ይግልብጦም።</verse>
				<verse number="20">ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርስ፤ ንሽማግለታት ምስትውዓል የሕድጎም።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕ ንዕቐት የፍስስ፤ ንሓያላትውን ዕጣቖም የፍትሖም።</verse>
				<verse number="22">ንዕሙቕ ነገር ካብ ፀልማት ይቐልዕ፤ ንፅላል ሞትውን ናብ ብርሃን የውፅኦ።</verse>
				<verse number="23">ንኣህዛብ ልዕል ልዕል የብሎም፥ መሊሱ ኸዓ የጥፍኦም፤ ንኣህዛብ የብዝሖም፥ መሊሱ ድማ የፍልሶም።</verse>
				<verse number="24">ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድሪ፥ ጥበቦም የሕድጎም፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል የብሎም።</verse>
				<verse number="25">ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም ኣብ ፀልማት ሃሰስ ይብሉ፤ ንሱውን ከም ሰካራማት ሰንከልከል ከም ዝብሉ ይገብሮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">“እንሆ፥ ነዝ ዅሉ ዓይነይ ረአየት፤ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተውዓለቶ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎ ኣነውን እፈልጦ እየ፤ ካባኻትኩም ድማ ኣይንእስን እየ።</verse>
				<verse number="3">ግና ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክነግር እደሊ ኣለኹ፤ ምስ እግዚኣብሄር ክዋቐስ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻትኩም ብሓሰት ለበጥቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">አረ ስቕ ምባል እኳ እንተ እትኽእሉ፤ እዙይ ንኣኻትኩም ከም ጥበብ ምተቘፅረልኩም ነይሩ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ እውን ምጕተይ ስምዑ፤ ንምጕት ከናፍረይውን ኣድምፁ።</verse>
				<verse number="7">ንእግዚኣብሄር ብቓል ዓመፃ ኽትከላኸሉሉ፥ ምእንታኡ ኢልኩምከ ብምትላል ክትዛረቡ ዲኹም?</verse>
				<verse number="8">ንእኡ ኣድልዎ ኽትገብሩሉ ዲኹም? ንእግዚኣብሄር ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="9">ንሱ እንተ ዝምርምረኩም፥ ፅቡቕ ዝኾነልኩምዶ ይመስለኩም ኣሎ? ወይ ከዓ ኸምቲ ንሰብ እተላግፁሉ፥ ንእኡ እተላግፁሉዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="10">ብስዉር ንገፅ ሰብ ኣድልዎ እንተ ገበርኩም፥ ንሱ ብግልፂ ኽዘልፈኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ዕብየቱዶ ኣየፍርሐኩምን እዩ? ግርማኡኸ ኣየውድቐኩምን ድዩ?</verse>
				<verse number="12">ምስላታትኩም ምስላ ሓመድ እዮም፤ ዕርድታትኩምውን ዕርድታት ጭቃ እዮም።”</verse>
				<verse number="13">“ስቕ በሉ፥ ክናገርውን ሕደጉኒ፤ ዝወረደ ይውረደኒ።</verse>
				<verse number="14">ስጋይ ብስነይ እሕዝ ኣለኹ፤ ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ እንተ ቐተለኒ እኳ ንእኡ ብትዕግስቲ ኽፅበ እየ፤ ግና መንገደይ ኣብ ቅድሚኡ ኸፅንዕ እየ።</verse>
				<verse number="16">ግብዝ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ኣይኽእልን እዩ እሞ፤ ንሱ መድሓኒት ክኾነኒ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንነገረይ ተጊህኹም ስምዕዎ፤ ንምስክርነተይውን በእዛንኩም ኣዳምፅዎ።</verse>
				<verse number="18">እንሆ፥ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣለኹ፤ ፃድቕ ኮይነ ኸም ዝርከብውን እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="19">ምሳይ ዝፋረድ መን እዩ? ሕዚ ኣነ ስቕ እንተ በልኩ ኽመውት እየ።”</verse>
				<verse number="20">“ኦ ኣምላኽ! እዘን ክልተ ነገራት ጥራሕ ኣይትግበረለይ፤ ሽዑ ኣነ ኻብ ቅድሚ ገፅካ ኣይስወርን እየ፤</verse>
				<verse number="21">ኢድካ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ግርማኻውን ኣየደንግፀኒ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ንስኻ ፀውዐኒ፤ ኣነውን ክምልስ እየ፤ ወይ ኣነ ኽዛረብ፥ ንስኻ መልሰለይ።</verse>
				<verse number="23">በደለይን ሓጢኣተይንስ ክንደይ ዝኣክል እዩ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።”</verse>
				<verse number="24">“ንምንታይ ንገፅካ ኻባይ እትኽውሎ? ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ?</verse>
				<verse number="25">ንዝረገፈ ቘፅሊዶ ተጨንቕ ኣለኻ? ወይ ከዓ ንዝነቐፀ ሓሰርዶ ተሳጕጎ ኣለኻ?”</verse>
				<verse number="26">“ዝመረረ ነገር ፅሒፍካለይ ኢኻሞ፥ ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="27">ንስኻ ነእጋረይ ብመቝሕ ትኣስረን፤ ንብዘሎ ኣካይዳይውን ትቋመቶ፤ ንኣሰር እግረይ መለለዪ ትገብረሉ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="28">ኣነስ በስቢሱ ከም ዝጠፍእ ነገር፥ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ኽዳን ኮንኩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">“ኵሉ ኻብ ሰበይቲ ዝውለድ ሰብ፥ ዘመን ህይወቱ ቝሩብ መዓልቲ እዩ፤ መከራውን ዝመልኦ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝመሰለ ሰብዶ ኣዒንትኻ ትኸፍት ኣለኻ? ክፍረድከ ናብ ቅድሜኻዶ ተቕርበኒ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="4">ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።</verse>
				<verse number="5">ዕድመ ሰብ ውሱን እዩ፤ ቍፅሪ ኣዋርሑውን ኣባኻ እዩ፤ ክሓልፋ ዘይኽእል ደረትውን ወሰንካሉ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸም በዓል ውዕለት፥ መዓልቱ ኽሳዕ ዝፍፀም ክዓርፍስ፥ ቁሩብ ካብኡ ዘወር በል።”</verse>
				<verse number="7">“ኦም ተስፋ ኣለዎሞ፥ እንተ ተቘርፀ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፤ ውልዶታቱውን ኣይውዳእን።</verse>
				<verse number="8">ሱሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፥ ጕንዱ ድማ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፥</verse>
				<verse number="9">ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፤ ከም ሓድሽ ተኽሊ ኾይኑውን ጨናፍር የውፅእ።</verse>
				<verse number="10">ሰብ ግና ይመውትሞ ይጋደም፤ ሰብውን ነፍሱ ይህብ ንሱኸ ኣበይ ኣሎ?”</verse>
				<verse number="11">“ማይ ካብ ውሽጢ ባሕሪ ይሃልቕ፤ ሩባውን ይንእስን ይደርቕን፤</verse>
				<verse number="12">ሰብ ድማ ደቂሱ ኣይትስእን፤ ሰማያት ክሳዕ ዝሓልፉ ኸቶ ኣይነቅሕን፤ ካብ ድቃሱውን ኣይትስእን።”</verse>
				<verse number="13">“ኣበይሞ ቝጥዓኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እንተትስውረኒ፥ ኣብ መቓብር እንተትሓብአኒ፥ መዓልቲ ቘፀራ እንተትውስነለይ እሞ፥ ብድሕሪኡ እንተትዝክረኒ።</verse>
				<verse number="14">ብሓቂ ሰብ ምስ ሞተ፥ ተመሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ? ዘመን ምሕዳሰይ ክሳዕ ዘመፅእ፥ ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ምፀዋዕኻኒ፤ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፤ ነቲ ግብሪ ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ግና ንስጕምተይ ትቘፅሮ ኣለኻ፤ ንሓጢኣተይውን ትከታተሎ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="17">ምትሕልላፈይ ኣብ ውሽጢ ኸረጢት ተሓቲሙ እዩ፤ ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።”</verse>
				<verse number="18">“እምባ እንትወድቕ ይጠፍእ፤ ኰዅሒውን ካብ ቦታኡ ይፈልስ።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ ማያት ነእማን ዝፍሕቖ፥ ውሕጅውን ንሓመድ ምድሪ ዝጕሕጕሖ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።</verse>
				<verse number="20">ንስኻ ንሓዋሩ ተሸንፎ፤ ንሱ ድማ ይሓልፍ፤ ንትርኢቱ ትልውጦ፤ ንእኡውን ትሰዶ።</verse>
				<verse number="21">ደቁ እንተ ኸበሩ፤ ኣይፈልጦን፤ እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ንስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ እዩ ዝስምዖ፤ ነፍሱውን ብዛዕባ ርእሱ ትሓዝን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝኾነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ? ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ?</verse>
				<verse number="3">ፍረ ብዘይብሉ፥ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፥ ይከራኸረሉ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከንቱ ትገብሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንፀሎት ተቃልሎ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="5">በደልካ ንኣፍካ ይምህሮ፤ ነዘራርባ ጐራሓት ድማ ትሓሪ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="6">ኣፍካ እያ እትዅንነካ ዘላ፥ ኣነ ኣይኮንኩን፤ ከናፍርካውን ኣብ ልዕሌኻ ይምስክራልካ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="7">ብሓቂ ብመጀመርታ ዝተወለድካ ሰብዶ ንስኻ ኢኻ? ወይ ከዓ፥ ቅድሚ እምባታት ዲኻ ተጠኒስካ?</verse>
				<verse number="8">ምስጢር እግዚኣብሄርከ ሰሚዕኻ ዲኻ? ወይ ከዓ ንጥበብዶ ናይ በይንኻ ጌርካያ ኢኻ?</verse>
				<verse number="9">ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እትፈልጦ እንታይ እዩ? ኣባና ዘየለኸ ንስኻ እተስተብህሎ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="10">ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዝዓብዩ፥ ሰያባትን ሽማግለታትን ኣብ ማእኸልና ኣለዉ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ምፅንናዕ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ብለውሃት ንኣኻ ዝተነግረ ቓላትዶ ተናእሶ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="12">ልብኻኸ ንምንታይ ይወስደካ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፉእ ኣጠማምታ ዝጥምታ?</verse>
				<verse number="13">ከምዙይ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናውፃእኻ፥ ስለ ምንታይ ንመንፈስካ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ተለዓዕሎ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="14">ሰብ ንፁህ ክኸውን እንታይ እዩ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንቕዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን እዩ፤ ስማያትውን ኣብ ቅድሚኡ ንፁሃት ኣይኮኑን፤</verse>
				<verse number="16">እቲ ንሓጢኣት ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ግዳ፥ ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን!</verse>
				<verse number="17">ኢዮብ፥ እስኪ ኽነግረካ፥ እቲ ዝረአኽዎውን ክገልፀልካ ስምዐኒ።</verse>
				<verse number="18">ጠቢባን ሰባት ዝገለፁለይ፥ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡለይ ክነግረካ ስምዐኒ።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ንበይናቶም ምድሪ ተውሂባቶም ነበረት፤ ባዕዳንውን ኣብ ማእኸሎም ኣይነበሩን።</verse>
				<verse number="20">ክፉእ ሰብ ምሉእ ዕድሜኡ፥ ጨካን ሰብ ብቝፅሪ ዘመኑ እናተሳቐየ ይነብር።</verse>
				<verse number="21">ዘደንግፅ ድምፂ ኣብ ኣእዛኑ ኾይኑ የድሂ፤ ደሓን ኣለኹ ኽብል እንተሎ መጥፍኢ ይመፆ።</verse>
				<verse number="22">ሰይፊ ይፀናተዎ ኣሎ እሞ፥ ካብ ፀልማት ክመልቝ ተስፋ የብሉን።</verse>
				<verse number="23">ከርተት እናበለ እንጀራ ይልምን፤ ንሱ ድማ መዓልቲ ፀልማት ከም ዝቐረበት ይፈልጥ።</verse>
				<verse number="24">መከራን ጭንቀትን የፈራርሕዎ፤ ንውግእ ከም ዝተሰለፈ ንጉስ ኮይኖም የሸንፍዎ።</verse>
				<verse number="25">ክፃረሮ ኢሉ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዝርግሕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ።</verse>
				<verse number="26">ብተሪር ክሳዱን ብረጒድ ዋልታኡን እናነሃረ ይመፆ።</verse>
				<verse number="27">ብስብሒ ገፁ ሸፈነ፤ ነቲ ስብሒውን ኣብ ሕቘኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፥ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፥ ንምዕናው ኣብ ዝተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩሞ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ኣይህብትምን፤ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፤ ገንዘቡውን ኣብ ምድሪ ኣይስስንን እዩ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ኻብ ፀልማት ኣይወፅእን፤ ብሃልሃልታ ሓዊ ጨናፍሩ ይሓርር፤ ብትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="31">ዋጋኡ ኸንቱ ነገር ክኸውን እዩሞ፥ ንባዕሉ እናስሓተ ብኸንቱ ነገር ኣይተኣመን።</verse>
				<verse number="32">መዓልቱ እንተይበፅሐ ጊዜኡ ይፍፀም፤ ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ኸምታ ፍሪኣ ብጕዑ ዝወደቐ ተኽሊ ወይኒ፥ ከምታ ዕምበባኣ ዝረገፈ ኦም ዘይቲ እዩ።</verse>
				<verse number="34">ኵሉ ጉባኤ ሓጢኣተኛታት ንጥፍኣት ይኸውን፤ ንድንኳናት ተቐበልቲ ጉቦ፥ ሓዊ ይበልዖ።</verse>
				<verse number="35">እዚኣቶም ክፍኣት ይጠንሱ፤ ጥፍኣት ድማ ይወልዱ፤ ከብዶም ከዓ ተንኰል የዳሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ብዙሕ ጊዜ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ዘይትጠቕሙ መፀናናዕቲ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ብሓቂ ንኸንቱ ቓልዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ? ወይ ከዓ ንኽትምልስ ዘለዓዓለካ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ነፍሰይ ክንዲ ነፍስኹም እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ቃል መሳኻዕኹ፥ ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ።</verse>
				<verse number="5">ብዘረባ ኣፈይውን መበርታዕኹኹም ነይረ፤ ምፅንናዕ ከንፈረይውን መህድአኩም ነይሩ።”</verse>
				<verse number="6">“ግና ኣነ እንተ ተዛረብኩ፥ ሕማመይ ኣይቕንስን፤ ስቕ እንተ በልኩውን፤ ኣይሓድገንን እዩ።</verse>
				<verse number="7">ሕዝስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፤ ንዅሉ ማሕበረይውን ኣፍሪስዎ።</verse>
				<verse number="8">ምጭምዳደይ ይምስክረለይ ኣሎ፤ ዕብራነይ ተልዒሉኒ፥ ኣብ ገፀይውን ይምስክረለይ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="9">“ብቝጥዓኡ ሰላልዐንን ፀልአኒውን፤ ኣስናኑውን ሓርቀመለይ፤ ፀላእየይ ዓይኑ ኣፍጠጠለይ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶምውን ኣፎም ከፈቱለይ፤ ኵሎም ተኣኪቦም ከዓ እናላገፁ ገፀይ ፀፍዑኒ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንኽፉኣት ሰባት ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ ኣብ ኢድ ክፉኣት ሰባትውን ደርበየኒ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ሃዲአ ዝነብር ሰብ ነበርኩ፤ ንሱ ግና ሰበረኒ፤ ብኽሳደይ ሒዙ ቐጥቀጠኒ፤ ዕላማኡ ገይሩ ኣቖመኒ።</verse>
				<verse number="13">ሰብ ፍላፃታት ከበቡኒ፤ ንዀላሊተይ ቈራረፆ፤ ንሱውን ኣይራህርሀን፤ ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ልዕሊ ቝስሊ፥ ቍስሊ ወሰኸኒ፤ ከም ሓያል እናሰገረ ይጐየኒ።”</verse>
				<verse number="15">“ኣብ ልዕሊ ቘርበተይ ወጮ ሰፈኹ፤ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደርበኹ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ብኽያት ዝተልዓለ ገፀይ ቀይሐ፤ ኣብ ከበሮ ዓይነይ ፅላል ሞት ኣሎ፤</verse>
				<verse number="17">ግና ዓመፃ ኣብ ኢደይ የለን፤ ፀሎተይ ከዓ ንፁህ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">“ኣቲ ምድሪ፥ ንደመይ ኣይትኸውሊዮ፤ ንኣውያተይውን መዕረፊ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="19">ሕዚ እውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ ኣሎ፤ ዝምስክረለይውን ኣብ ኣርያም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ፀሎተይ ናብ እግዚኣብሄር ይብፃሕ፤ ዓይነይውን ኣብ ቅድሚኡ ንብዓት ተፍስስ።</verse>
				<verse number="21">ከምቲ ወዲ ሰብ ምስ ብፃዩ ዝማጐት፥ ኣበይሞ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምምጓት ከም ከኣለ!”</verse>
				<verse number="22">ውሑዳት ዓመታት ምስ ሓለፋ፥ ኣነ ናብቲ ዘይምለሰሉ መንገዲ ክኸይድ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">መንፈሰይ ደኸመ፤ ዘመነይ ሃለቐ፤ መቓብርውን ተዳልዩለይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="2">መላገፅቲ ምሳይ ኣለዉ፤ ኣዒንተይ ድማ ኣብ ምምራሮም ይሓድራ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="3">ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻ ዕርቡን ኴንካ ተውሓሰኒ፤ እንተ ዘይኮይኑ ምሳይ ኣግንዕ ዝወቅዕ መን እዩ?</verse>
				<verse number="4">ልቦም ከየስተውዕል ከልኪልካዮ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ልዕል ልዕል ኣይተብሎምን።</verse>
				<verse number="5">ብፆቱ ንምዝመዛ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰብ፥ ኣዒንቲ ደቁ ይፅልምታ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእኸል ህዝብታት መመሰሊ ገበረኒ፤ ኣብ ገፁ ፂቕ ከም ዝብሉሉ ሰብ ኮንኩ።</verse>
				<verse number="7">ኣዒንተይ ብሓዘን ፈዘዛ፤ ኵሎም ኣካላተይ ከም ፅላሎት ኮኑ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ቅኑዓት ሰባት በዙይ ክግረሙ እዮም፤ እቲ ንፁህውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፉእ ሰብ ክናደድ እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥ እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥ ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።</verse>
				<verse number="10">አረ ዅልኻትኩም ንዑ ናባይ ተመለሱ፤ ካባኻትኩም ሓደ ለባም እኳ ኣይረክብን እየ።</verse>
				<verse number="11">“ዘመነይ ሓሊፉ፤ ሓሳበይን መሳርሒ ልበይን ተቛረፀ።</verse>
				<verse number="12">ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፤ እቲ ብርሃን ናብ ፀልማት ዝቐረበ ይመስሎም።</verse>
				<verse number="13">እቲ ዝፅበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ኾነ፥ መንፀፈይ ኣብ ፀልማት እንተ ኣንፀፍኩ፥</verse>
				<verse number="14">ንመቓብር ‘ኣቦይ ኢኻ’ ንሓሰኻውን ‘እኖይ ወይ ሓፍተይ ኢኺ’ እንተ በልኩ፥</verse>
				<verse number="15">ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንተስፋይ ክሪኣ ዝኽእልከ መንዩ?</verse>
				<verse number="16">ምሳይዶ ናብ መቓብር ክትወርድ እያ? እታ ተስፋኸ ምሳይዶ ናብ ሓመድ ክትወርድ እያ?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ኢዮብ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘረባኻ ዘይትውድእ? ኣስተብህል እሞ ኽንዛረብ ሕደገና።</verse>
				<verse number="3">ስለ ምንታይ ከም እንስሳ ተቘፀርና? ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ረኸስና?</verse>
				<verse number="4">ቍጥዓ ወሪሱካ ኣሎ፤ ንስኻ እንተ ሞትካኸ ምእንታኻ ምድሪ ኽትባድም ድያ? ወይ ከዓ ኣኻውሕ ካብ ስፍራኦም ክንቀሉ ድዮም?”</verse>
				<verse number="5">“መብራህቲ ሓጢኣተኛ ይጠፍእ፤ ሃልሃልታ ሓዊውን ብልጭ ኣይብልን።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣብ ድንኳኑ ዘሎ ብርሃንውን ክጠፍእ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መብራህቱውን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ሓይሊ ስጕምቱ ትፀብብ፤ ምኽሩውን ተውድቖ።</verse>
				<verse number="8">እግሩ ብመፃወድያ ትተሓዝ፤ ብልዕሊ መርበብ ይኸይድ።</verse>
				<verse number="9">መፃወድያ ብሸዀናኡ ይሕዞ፤ መፈንጠርውን ይብርትዖ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ምድሪ ገመድ፥ ኣብ መንገዱውን ንእኡ መፃወድያ ተሓቢኡሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ፍርሓት ብዅሉ ወገን ተጨንቖ፤ ብድሕሪኡ ኾይናውን ተባርሮ።</verse>
				<verse number="12">ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፤ መዓትውን ሰንከልከል ክሳዕ ዝብል ተዳልዩሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣካላት ሰውነቱ ይጠፍእ፤ ናይ ሞት በዅሪ ወዲ እውን ንኣካላቱ ይበልዖ።</verse>
				<verse number="14">ካብቲ ዝኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይንቀል፤ ናብቲ ንጉስ ራዕዲውን የፃድፍዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ዘይሰቡ ይነብሩ፤ ኣብ መንበሪኡውን ዲን ይንስነስ።</verse>
				<verse number="16">ብታሕቲ ሰራውሩ ይነቅፅ፤ ብላዕሊውን ጨናፍሩ ይረግፍ።</verse>
				<verse number="17">ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፤ ኣብቲ ሃገርውን ስሙ ኣይዝከርን።</verse>
				<verse number="18">ካብ ብርሃን ናብ ፀልማት የፍልስዎ፤ ካብ ዓለምውን የሳጕጉዎ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ማእኸል ህዝቡ ዘርእን ትውልድን ኣይሓድግን፤ ኣብ ውሽጢ መንበሪኡውን ዝነብር ሰብ ኣይተርፎን።</verse>
				<verse number="20">እቶም ቀዳሞት ሰባት ከም ዝደንገፁ፥ ከምኡውን እቶም ዳሕረዎት ሰባት፥ ብዛዕባ ዘመኑ ይድነቑ።</verse>
				<verse number="21">ብሓቂ ቤት ሓጢኣተኛታት ከምኡ እያ፤ ስፍራ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡውን እዙይ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንነፍሰይ እተጕህይዋ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ብቓል እተድቅቑኒ?</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ዓሰርተ ሻዕ ፀረፍኩምኒ፤ እትገፍዑንስ እምበርዶ ኣይትሓፍሩን ኢኹም?</verse>
				<verse number="4">ብርግፅ እንተ ተጋገኹኳ፥ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።</verse>
				<verse number="5">ብሓቂ እንተ ተዓበኹምለይ፥ ስለ ውርደተይ ኣብ ልዕለይ እንተ ተኸራኸርኩም፥</verse>
				<verse number="6">ደጊም እግዚኣብሄር ከም ዝገልበጠኒ፥ ብመርበቡውን ከም ዝኸበበኒ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ተበዲለ ኢለ እንተ ጠራዕኹ፥ ዝምልሰለይ የለን፤ ድምፀይ ዓው ኣቢለ እንተ ኣስማዕኹ፥ ዝፈርደለይ የለን።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኸይሓልፍ ኢሉ ንመንገደይ ዓፅይዎ፤ መተሓላለፍየይውን ብፀልማት ሸፈኖ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ንኽብረይ ቀንጠጦ፤ ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="10">በዙይን በቱይን ኣፍረሰኒ፤ ኣነውን ከድኩ፤ ንተስፋይ ከም ኦም ነቐሎ።</verse>
				<verse number="11">ንቝጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣንደዶ፤ ከም ፀላኢኡውን ቘፀረኒ።</verse>
				<verse number="12">ሰራዊቱ ብሕብረት መፁ፤ መንገዶምውን ኣብ ልዕለይ ኣዳለዉ፤ ኣብ ዙርያ ድንኳነይ ሰፈሩ።”</verse>
				<verse number="13">“ነሕዋተይ ካባይ ኣርሓቖም፤ እቶም ዝፈልጡኒ ድማ ፈፂሞም ተፈለዩኒ።</verse>
				<verse number="14">ኣዝማደይ ሓደጉኒ፤ ፈተውተይውን ረስዑኒ።</verse>
				<verse number="15">ቤተሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ቘፀሩኒ፤ ኣብ ኣዒንቶምውን ከም ጋሻ ኮንኩ።</verse>
				<verse number="16">ንሓሽከረይ እንተ ፀዋዕክዎ፤ ብኣፈይ እንተ ኣቃባጠርኩሉውን ኣይምልሰለይን።</verse>
				<verse number="17">ሰበይተይ ንስትንፋሰይ ፀልአቶ፤ ኣሕዋተይ፥ ደቂ እነይ ንልመናይ ፀልእዎ።</verse>
				<verse number="18">ህፃናት እኳ ኣጥቅዑኒ፤ ደው እንተ በልኩ ኸዓ ብኣይ ይዘራረቡ።</verse>
				<verse number="19">ኵሎም መማኽርተይ ፈንፈኑኒ፤ እቶም ኣነ ዝፈትዎም ኣብ ልዕለይ ተገልበጡ።</verse>
				<verse number="20">ቈርበት ምስ ስጋይን ምስ ኣዕፅምተይን ተጣቢቑ፥ ግርፃነይ ጥራሕ ተሪፉኒ።”</verse>
				<verse number="21">“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥ ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!</verse>
				<verse number="22">ንምንታይከ ንስኻትኩም ከም እግዚኣብሄር እተሳጕጉኒ? ስለ ምንታይከ ኻብ ስጋይ ዘይትፀግቡ?”</verse>
				<verse number="23">“ኣበይሞ ቓለይ ሕዚ እንተ ዝፀሓፍ፥ ኣበይሞ ኣብ መፅሓፍ እንተ ዝሕተም፥</verse>
				<verse number="24">ኣበይሞ ብሓፂንን ብዓረርን ብነሓስን፥ ኣብ ኰዅሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረፅ፥</verse>
				<verse number="25">ግና እቲ ቤዛ ዝኾነኒ፥ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፤ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ።</verse>
				<verse number="26">እዝ ቘርበተይ ምስ ጠፍአውን፥ ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ።</verse>
				<verse number="27">ኣነ ባዕለይ ክሪኦ እየ፤ ኣዒንተይውን ክጥምታኦ እየን፤ ካባይ ካልእ ኣይኮነን፤ ልበይ ብሃንቀውታ ይጠልመኒ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="28">ንስኻትኩም “ሱር እቲ ነገር ኣብኡ ተረኺቡ እዩሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነሳጕጎ እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="29">ፍርዲ ኸም ዘሎ ንኽትፈልጡ፥ ቍጥዓ፥ ቅፅዓት ሰይፊ የምፅእ እዩሞ፥ ንሰይፊ ፍርሕዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ነዙይ ምላሽ ክህበሉ ሓሳባተይ ይድርኸኒ ኣሎ፤ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዘነውረኒ ተግሳፅ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ መንፈስ ምስትውዓለይውን ይምልሰለይ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="4">“ካብ ጥንቲ፥ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ፥</verse>
				<verse number="5">ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?</verse>
				<verse number="6">ልዕልናኡ ኽሳዕ ሰማይ እንተ ደየበ፥ ርእሱውን ክሳዕ ደመና እንተ በፅሐ፥</verse>
				<verse number="7">ከም ፋንድያ ንሓዋሩ ይጠፍእ፤ እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ከም ሕልሚ ይበርር፤ ንሱውን ኣይርከብን፤ ከም ራእይ ለይቲውን ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ዝረአዮ ዓይኒ መሊሱ ኣይሪኦን እዩ፤ ነቲ ዝነበረሉ ቦታውን መሊሱ ኣይሪኦን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ደቁ ንድኻታት የቀባጥሩ፤ ኢዱውን ንሃብቱ መሊሱ ይህብ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሓይሊ ንእስነት ዝኾነ ዓፅሙ፥ ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።”</verse>
				<verse number="12">“ክፍኣት ንኣፉ ይምቅሮ፤ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ኸዓ ይሓብኦ፤</verse>
				<verse number="13">ካብ ኣፉ ኸይመልቆ ይሕዞ፤ ኣብ ትንሓጉ ኸዓ ይዓቝሮ፤</verse>
				<verse number="14">ምግቡ ኣብ ኣምዑቱ ይተሓዋወስ፤ ኣብ ውሽጡ ድማ ኸም ሕንዚ ኣፍዑት ይኾኖ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ዝወሓጦ ሃብቲ ኽተፍኦ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ንሕንዚ ተመን ይጠቡ፤ መልሓስ ተመን ከዓ ይቐትሎ።</verse>
				<verse number="17">ንዓይኒ ማይን፥ ነቲ መዓርን ፀባን ዘውሕዝ ሩባታት ኣይሪኦን።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ፍረ ድኻሙውን እንተይወሓጠ ይመልሶ፤ በቲ ነጊዱ ዘትረፎ ሃብቱ ድማ ደስ ኣይብሎን እዩ።</verse>
				<verse number="19">እዙይ ድማ ንድኻታት ስለ ዘጥቅዖምን ስለ ዝሓደጎምን፥ ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ከብዱ ዕረፍቲ ኣይፈለጠንሞ፥ እቲ ዝፈተዎ ነገር ኣየድሓኖን።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ኽበልዕ እንተሎ ዝኾነ እኳ ኣየትርፍን ነበረ፤ ስለዙይ ሃብቱ ኣይቐውምን።</verse>
				<verse number="22">ምስ ፀገበ ይጭነቕ፤ ኢድ ኵሎም ፅጉማት ከዓ ትረኽቦ።</verse>
				<verse number="23">ከብዱ እንተየፅገበ፥ እግዚኣብሄር ጓህሪ ቝጥዓኡ፥ ኣብ ልዕሊኡ ይሰድድ፤ እንትበልዕውን የዝንመሉ።</verse>
				<verse number="24">ካብ ኣፅዋር ሓፂን እንተ ሃደመኳ፥ ቀስቲ ነሃስ ኽወግኦ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ቐስቲ ይስሕቦሞ፥ ካብ ስጋኡ ይወፅእ፤ እቲ ብልጭልጭ ዝብል ብልሑውን፥ ካብ ሓሞቱ ይወፅእ፤ ፍርሓትውን ይወድቆ።</verse>
				<verse number="26">ንመዝገቡ ፀልማት ተዳልዩሉ ኣሎ፤ ብዘይ መናፍሕ ዝነድድ ሓዊ ክውሕጦ፥ ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሰማይ ንበደሉ ይቐልዕ፤ ምድሪ ኸዓ ኣንፃሩ ትለዓሎ።</verse>
				<verse number="28">ጥሪት ቤቱ ፋሕ ክብል፥ በታ መዓልቲ ቝጥዓኡ፥ ከም ወሓዚ ማይ ክሓልፍ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ክፉእ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ዕድል እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዝመደበሉ ርስቲውን እዙይ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">እስኪ ሓንሳዕ ቓለይ ስምዑ፤ እዙይውን ምፅንናዕኹም ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ክናገር ሕደጉኒ፤ ምስተናገርኩ ኣባጭዉ።</verse>
				<verse number="4">ብሓቂ ቝዘማ ሓዘነይ ንሰብ ድየ ዝነግሮ? ትዕግስቲ ምስኣንከ ኣይግብአንንዶ?</verse>
				<verse number="5">ናባይ ተመልከቱ፤ ተገረሙውን፤ ኣእዳውኩምውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ብዝሓሰብኩ ቝፅሪ እጭነቕ፤ ንስጋይውን ፃዕሪ ይሕዞ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ሓጢኣተኛታት ሰባት ስለ ምንታይ ብህይወት ዝነብሩ? ስለ ምንታይከ ዝኣርጉ? ብሃብቲኸ ስለ ምንታይ ዝብርትዑ?</verse>
				<verse number="8">ዘርኦም ምስኣቶም ፀኒዑ ይነብር፤ ደቆምውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኣባይቶም ብዘይ ፍርሓት ብህድኣት ይነብር፤ በትሪ እግዚኣብሄርውን የብሎምን።</verse>
				<verse number="10">ሽደኖም ይወልድ፤ ዘርኡ ብኸንቱ ኣይድርብዮን፤ ላሕሞምውን እንተየውሃየት ትወልድ።</verse>
				<verse number="11">ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፤ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።</verse>
				<verse number="12">ብኸበሮን ብኽራርን ይደርፉ፤ ብፋፃ ሻምብቆ ይሕጐሱ።</verse>
				<verse number="13">ንዕድመኣቶምውን ብምቾት የሕልፍዎ፤ ብድንገትውን ናብ ሲኦል ይወርዱ።</verse>
				<verse number="14">ግና ንእግዚኣብሄር “ካባና ረሓቕ፤ መንገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና፤</verse>
				<verse number="15">ክነምልኮኸ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር መን እዩ? ወይ ናብኡ እንተ ፀለናኸ እንታይ ክንረክብ ኢና” ይብሉ።</verse>
				<verse number="16">እንሆ ሃብታቶም ኣብ ኢዶምዶ ኣይኮነን? ግና ምኽሪ ሓጢኣተኛታት ካባይ ዝረሓቐት እያ።</verse>
				<verse number="17">መብራህቲ ሓጥኣን ዝጠፍአ፥ መቕሰፍቲ እውን ዝመፆም፥ እግዚኣብሄር ድማ ብቝጥዓኡ መከራ ዝፈደዮም፥</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ንበደሎም ንደቆም ይዓቝሮ” ኢልኩም ኢኹም፤ ግና ንሳቶም ምእንቲ ኽፈልጥዎ ንባዕላቶም ይፍደዮም።</verse>
				<verse number="20">ኣዒንቶም ጥፍኣቶም ይርአያ፤ ቍጥዓ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይስተዩ።</verse>
				<verse number="21">ዘመን ህይወቶም ምስ ሓለፈ፥ ሰባት ብዛዕባ ደቆም ዝግደሱዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="22">ኣብቶም ልዕል ልዕል ዝበሉ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ሰብዶ ፍልጠት ይምህሮ እዩ?</verse>
				<verse number="23">ገሊኡ ሰብ ምሉእ ሓይሊ እንተለዎ፥ ህዱእን ሕጉስን እንተሎ ይመውት፤</verse>
				<verse number="24">ሰብነቱ ምሉእ እንተሎ፥ ኣንጕዕ ኣዕፅምቱውን ልምሉም እንተሎ ይመውት።</verse>
				<verse number="25">ገሊኡ ሰብ ድማ ዝኾነ ሰናይ እንተይጠዓመ፥ ገና መሪርዎ እንተሎ ይመውት።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሓቢሮም ይድቅሱ፤ ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም።</verse>
				<verse number="27">እንሆ፥ ንሓሳባትኩም፥ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝመኸርኩምዎ ክፉእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻትኩም “ቤት እቲ ዓብዪ ሰብ ኣበይ ኣሎ? እቲ ሓጢኣተኛታት ዝነበርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ?” ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="29">ነቶም ሓለፍቲ መንገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን ኢኹም? ነቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ምልክታቶምከ ኣይትፈልጡን ዲኹም?</verse>
				<verse number="30">እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥ ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="31">ንሓጥእ ብዝኸዶ መንገዲ ዝዘልፎ መን እዩ? ነቲ ዝሰርሖኸ ዝምልሰሉ መንዩ?</verse>
				<verse number="32">ንእኡ ግና ናብ መቓብር ይወስድዎ፤ ሰባት ድማ ኣብ መቓብሩ ይሕልዉ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ድማ መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፤ ቅድሚኡውን ቁፅሪ ዘይብሉ ህዝቢ ኸም ዝነበረ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ዅሉ ሰብ ክስዕብ እዩ።</verse>
				<verse number="34">ኵሉ እትምልሱለይ መልሲ ሓሰት እዩሞ፥ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ እተፀናንዑኒ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ እቲ ቴማናዊ ኤሊፋዝ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ብሓቂ ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ክጠቕሞ ይኽእል እዩ? እቲ ጥበበኛ ሰብ ንባዕሉ እዩ ዝጠቅም።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ፃድቕ ምዃንካዶ ደስ የብሎ እዩ? ንመንገድኻ ፍፁም ብምግባርካኸ ረብሓዶ ኣለዎ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ንእኡ ስለ ዝፈራሕኻ ይዘልፈካ ድዩ? ናብ ፍርድኸ ምሳኻዶ ይኣቱ እዩ?</verse>
				<verse number="5">ክፍኣትካኸ ብዙሕዶ ኣይኮነን? ንሓጢኣትካውን መወዳእታ የብሉን።</verse>
				<verse number="6">ካብ ኣሕዋትካ ብኸንቱ ትሕጃ ወሰድካ፤ ክዳን ዕሩቓትውን ቀንጠጥካ።</verse>
				<verse number="7">ንፅሙእ ማይ ኣየስተኻን፥ ንጥሙይውን እንጀራ ኸላእኻ።</verse>
				<verse number="8">ቅልፅሙ ዘበርትዐ ንምድሪ ገዝኣ፥ እቲ ኽቡር ሰብ ከዓ ዝነብረላ ኾነት።</verse>
				<verse number="9">ንመበለታት ጥራሕ ኢደን ሰደድካየን፤ ቀላፅም ደኽታማት ተሰይሩ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ንስኻ ብመፃወዲያ ተኸበብካ፤ ድንገተኛ ፍርሓትውን ኣናወፀካ።</verse>
				<verse number="11">ከይትርኢ ብርሃን ፀልማት ኮነትካ፤ ብዝሒ ማያትውን ኣስጠመካ።”</verse>
				<verse number="12">“እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይዶ ልዕል ልዕል ኣይብልን? ከዋኽብቲውን ከመይ ልዕል ልዕል ከም ዝበሉ ተመልከት።</verse>
				<verse number="13">ንስኻ ግና ‘እግዚኣብሄር እንታይ ይፈልጥ? ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮይኑዶ ኽፈርድ ይኽእል እዩ?’</verse>
				<verse number="14">ከይርኢ ፀሊም ደመና ጋሪዱዎ እዩ፤ ኣብ ዙርያ ሰማይ ይመላለስ ኢልካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="15">ብሓቂዶ እቶም ሓጢኣተኛታት ሰባት ብዝኸድዋ፥ ናይ ቀደም መንገዲ ኽትከይድዶ ትደሊ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ጊዜኣቶም እንተይበፅሐ ተነጠቑ፤ መሰረቶምውን ከም ፈሳሲ ማይ፥ ፈሰሰ።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ካባና ረሓቕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ‘እንታይ ክገብረልና ይኽእል?’ በልዎ።</verse>
				<verse number="18">ግና ንገዛውቶም ብፅቡቕ ነገር መልኦ፤ ምኽሪ ሓጥኣን ካባይ ዝረሓቐት እያ።”</verse>
				<verse number="19">ፃድቃን ክሪኡዎ ኢዮም፤ ደስውን ክብሎም እዩ፤ ንፁሃንውን ብንዕቐት ይስሕቕዎም።</verse>
				<verse number="20">ብሓቂ ሃብቶም ጠፍአ፤ ንዝተረፈውን ሓዊ በልዖ።</verse>
				<verse number="21">“ሕዚ እውን ምስኡ ተሰማማዕ፤ ሰላምውን ይሃሉኻ፤ ከምዙይ እንተ ጌርካ ፅቡቕ ክትረክብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ኣፉውን ሕጉ ተቐበል፤ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።</verse>
				<verse number="23">ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ተመሊስካ፥ እንተ ተዋረድካውን፥ ከምቲ ዝነበርካዮ ኸፅንዐካ እዩ፤ ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤</verse>
				<verse number="24">ኣቕሓ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ሓመድ፥ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ማእኸል ኣእማን ሩባ እንተ ደርበኻ፥</verse>
				<verse number="25">ሽዑ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ወርቅን ዘንፀባርቕ ብሩርን ክኾነልካ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ደስ ክብለካ እዩ፤ ገፅካውን ናብ እግዚኣብሄር ክተልዕል ኢኻ።</verse>
				<verse number="27">ናብኡ ክትፅሊ ኢኻ፤ ንሱውን ክሰምዐካ እዩ፤ መብፅዓኻውን ክትህብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="28">ኵሉ ዝሓሰብካዮ ኽሰልጠካ፥ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሀልካ እዩ።</verse>
				<verse number="29">እንተዋረዱኻ፥ ልዕል ክትብል ኢኻ፤ ንሱ ንትሑት ሰብ የድሕኖ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="30">ንንፁህ ሰብ የድሕኖ እዩ፤ ብንፅህና ኢድካውን ክትድሕን ኢኻ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ሎሚውን ቍዘማይ መሪር እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ።</verse>
				<verse number="3">ንእኡ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ኣበይሞ እንተ ዝፈልጥ! ኣበይሞ ናብቲ ዝተቐመጠሉ ዙፋን እንተ ዝበፅሕ!</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፤ ንኣፈይውን ብመርትዖ ምመላእኽዎ ነይረ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ዝምልሰለይ ቃል ምፈለጥክዎ፤ እንታይ ከም ዝብለኒ ድማ መስተውዓልኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="6">በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኽማጐተኒ እዩ? እኳ ደኣ ፅን ምበለኒ።</verse>
				<verse number="7">ቅኑዕ ሰብ ምስኡ ኣብኡ ኽማጐት ይኽእል እዩ፤ ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንዘለኣለም ክድሕን ነይረ።”</verse>
				<verse number="8">“እንሆ ንቕድሚት ከድኩ፤ ንሱውን የለን፤ ንድሕሪትውን ከድኩ፤ ግና ኣየስተውዕሎን።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ናብ ዝሰርሐሉ ናብ ፀጋም እንተ ኸድኩ ኣይምልከቶን፤ ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።</verse>
				<verse number="11">ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን።</verse>
				<verse number="12">ካብ ትእዛዝ ከንፈሩውን ኣይተመለስኩን፤ ካብ ኵሉ ሃብተይ ኣብሊፀ፥ ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”</verse>
				<verse number="13">“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤ ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ? ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣባይ ዝተወሰነ ኽፍፅሞ እዩ፤ ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ድማ እየ ኣብ ቅድሚኡ ዝድንግፅ፤ ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ።</verse>
				<verse number="16">ኣምላኽ ባዕሉ ንልበይ ኣጃጅይዎ፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ፀልማት ዝተልዓለ እቲ ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንገፀይ ካብ ምሽፋኑ ዝተልዓለ ኣይደንገፅኩን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘመናት ኣይተሰወሩንሞ፥ እቶም ንእኡ ዝፈልጡ ስለ ምንታይ ነተን ኣዋርሕ ዘይሪኡወን።</verse>
				<verse number="2">ሰባት ንወሰን ብፃዮም ይደፍእዎ፤ ንመጓሰ ዘሚቶምውን ይጓስይወን።</verse>
				<verse number="3">ንኣእዱግ ድኻታት ይዅብኵብወን፤ ንብዕራይ መበለትውን ትሕጃ ይሕዝዎ።</verse>
				<verse number="4">ንድኻታት ካብ መንገዲ የወግዱዎም፤ ኵሎም ድኻታት እታ ምድሪ ኸዓ ይሕብኡ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ከም ኣእዱግ በረኻ ምግቢ ኽደልዩ ይወፍሩ፤ ምድረ በዳውን ንደቆም ዝኸውን ምግቢ ይህቦም።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ኣብ ግራት እኽሎም ይዓፅዱ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እቶም ክፉኣት ሰባትውን ይቕርሙ።</verse>
				<verse number="7">ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይሓድሩ፤ ብጊዜ ቝሪ ዝኽደንዎ የብሎምን።</verse>
				<verse number="8">በቲ ኻብ እምባታት ዝወርድ ዝናም ይርሕሱ፤ መፀግዒ ስኢኖምውን ኰዅሒ ይሓቝፉ።</verse>
				<verse number="9">ንደኽታም ቈልዓ ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፤ ካብ ምስኪናት ትሕጃ ይወስዱ።</verse>
				<verse number="10">ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይኸዱ፤ ብጥሙያቶምውን እንዳእቲ ይፆሩ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ውሽጢ ሓፁር እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይቲ ኣውሊዕ ይፀምቁ፤ ወይኒ እውን ይፀምቁ፤ ንሳቶም ግና ይፀምኡ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ከተማን ካብ ብገዛ ቤቶምን ይስጐጉ፤ ነፍሲ እቶም ቈልዑውን ንሓገዝ ተእዊ፤ እግዚኣብሄር ግና ስንፍናኦም ኣይምልከትን።</verse>
				<verse number="13">እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ብርሃን ዝዕምፁ እዮም፤ ንጐደናታቱ ዘይፈልጡ፥ ኣብ መንገድታቱውን ኣይፀንዑን።</verse>
				<verse number="14">እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኣንጊሁ ይትስእ፤ ንድኻን ንውፁዕን ይቐትል፤ ብለይቲ ኸዓ ኸም ሰራቒ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ዓይኒ ዘማዊ፥ ፅልግልግ ክሳዕ ዝብል ይፅበ፤ “ናይ ዝኾነ ሰብ ዓይኒ ኣይሪአንን” ይብል፤ ገፁውን ይሽፍን።</verse>
				<verse number="16">ብፀልማት ናብ ቤት ኵዒቶም ይኣትዉ፤ ብቐትሪ ግና ተዓፅዮም ይውዕሉ፤ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።</verse>
				<verse number="17">ናይ ንጉሆ ብርሃን ንኣኣቶም ከም ድነ ሞት እዩ፤ ድነ ሞት ይፈልጡ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ማይ በሪሮም ይሓልፉ፤ ዕድሎምውን ኣብ ምድሪ ዝተረገመት እያ፤ ናብ መንገዲ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን።</verse>
				<verse number="19">ድርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ የጥፍኦ፤ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ሓጥኣን ተጥፍኦም።</verse>
				<verse number="20">ማህፀን ትርስዖ፤ ሓሰኻ ድማ ብሓጎስ ይጠብዎ፤ ዝዝክሮውን የለን፤ ክፍኣትውን ከም ኦም ይስበር።</verse>
				<verse number="21">ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላ፤ ንመበለትውን ፅቡቕ ኣይገብርን።</verse>
				<verse number="22">ግና ንሱ ንሓያል ብሓይሉ ይስሕቦ፤ ንሱ እንትለዓል ሰብ ብህይወቱ ኣይእመንን።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ብሰላም ኣንቢርዎም እዩ፤ ብእኡውን ይእመኑ፤ ኣዒንቱ ግና ኣብ ልዕሊ መንገዶም እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንቝሩብ ጊዜ ልዕል ልዕል ይብሉ፤ ይኸዱ ይፅምልዉውን፤ ከምቶም ካልኦት ይእከቡ፤ ከም ርእሲ ሸዊትውን ይቝረፁ።</verse>
				<verse number="25">ከምዙይ እንተ ዘይኮይኑኸ ሓሳዊ ዝገብረኒ፥ ንዘረባይውን ከንቱ ኽገብሮ ዝኽእል መን እዩ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ስልጣንን ተፈራሕነትን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ብልዕልናኡውን ገባሪ ሰላም እዩ።</verse>
				<verse number="3">ብሓቂ ንሰራዊቱዶ ቝፅሪ ኣለዎም እዩ? ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ?</verse>
				<verse number="4">ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?</verse>
				<verse number="5">ወርሒ እኳ ኣብ ቅድሚኡ ብርህቲ ኣይኮነትን፤ ከዋኽብትውን ንፁሃት ኣይኮኑን፤ እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!”</verse>
				<verse number="6"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">ሓይሊ ንዘይብሉ ኸመይ ረዳእኻዮ! ነቲ ፅንዓት ዝሰኣነ ቕልፅምውን ከመይ ኣድሓንካዮ!</verse>
				<verse number="3">ጥበብ ንዘይብሉውን ከመይ መኸርካዮ! ክንደይ ብዙሕ ፍልጠትከ ገለፅካሉ!</verse>
				<verse number="4">ነዝ ቓል እዙይ ብመን ሓገዝ ተናገርካዮ? ናይ መን መንፈስከ ኻባኻ ወፀ?</verse>
				<verse number="5">“ምዉታን ሰባት ኣብ ትሕቲ ማያት፥ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ማያት ዝነብሩ ኾይኖም የንቀጥቅጡ።</verse>
				<verse number="6">ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤ ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።</verse>
				<verse number="7">ንሰሜን ኣብ ባዶ ስፍራ ይዝርግሖ፤ ንምድሪ እውን ኣብ ትሕቲኣ ሓደኳ ዘይብላ የንጠልጥላ።</verse>
				<verse number="8">ንማያት ኣብ ደመና ይቛፅሮ፤ እቲ ደመናውን ብታሕቲ ኣይተቐደደን።</verse>
				<verse number="9">ገፅ ዙፋኑ ይኸድን፤ ደመናውን ይዝርግሐሉ።</verse>
				<verse number="10">ክሳዕ እቲ ብርሃንን ፀልማትን ዝፈላለዩላ፥ ኣብ ቅድሚ ማያት ወሰን ገበረ።</verse>
				<verse number="11">ኣዕማድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፤ ካብ ተግሳፁ ዝተልዓለውን ይድንግፁ።</verse>
				<verse number="12">ብሓይሉ ንባሕሪ የህድኣ፤ ብምስትውዓልውን ንረዓብ ይወቕዖ።</verse>
				<verse number="13">ብመንፈሱ ሰማያት ፅባቐ ረኸቡ፤ ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ እዙይ ናይ መንገዱ ወሰን ጥራሕ እዩ፤ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ክንደይ ውሑድ እዩ፤ ነቲ ሓይሊ ነጐድጓዱኸ መን ከስተውዕሎ ይኽእል?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="2">“ነቲ ንነፍሰይ ዘምረራ፥ ንፍርደይውን ዘግደፈኒ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ህያው እዩ።</verse>
				<verse number="3">እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፥ መንፈስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፥</verse>
				<verse number="4">ከናፍረይ ከቶ ኽፍኣት ኣይዛረባን፤ ልሳነይውን ጥበራ ኣይተውፅእን።</verse>
				<verse number="5">ንኣኻትኩም ምፅዳቕ ካባይ ይርሓቕ፤ ክሳዕ ዝመውት ድማ ፍፁምነተይ ካባይ ኣየርሕቕን።</verse>
				<verse number="6">ፅድቀይ ኣፅኒዐ ኽሕሉ እየ፤ ፈፂመውን ኣይሓድጎን እየ፤ ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን።</verse>
				<verse number="7">ፀላእየይ ከም ሓጥእ፥ ዝቃወመኒውን ኸም በዳሊ ይኹን።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ምስ ኣጥፍኦን ንነፍሱ ምስ ፈለያን፥ ተስፋ ግብዝ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="9">ብሓቂ፥ መከራ ምስ መፆኸ፥ እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ?</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ብዝኽእል ኣምላኽከ ይሕጐስ ድዩ? ኵልሻዕኸ ንእግዚኣብሄር ይፅውዕ ድዩ?”</verse>
				<verse number="11">“ብዛዕባ ኢድ እግዚኣብሄር ኣነ ኽምህረኩም እየ፤ ሓሳባት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ከዓ ኣነ ኣይሓብአኩምን እየ።</verse>
				<verse number="12">እንሆ ዅልኻትኩም ርኢኹምዎ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኸንቱ ኾንኩም?”</verse>
				<verse number="13">“ኣምላኽ ነቲ ሓጥእ ዝህቦ ዕድል፥ እቲ ግፍዐኛ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ርስቲ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="14">ደቁ እንተ በዝሑ፥ ኣደዳ ሰይፊ ክኾኑ እዮም፤ ዘርኡውን እንጀራ ኣይፀግቡን።</verse>
				<verse number="15">እቶም ዝተረፉ ደቁ ኸዓ ብፌራ ይሞቱ፤ መበለታቶምውን ኣይበኽያሎምን።</verse>
				<verse number="16">ንብሩር ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፥ ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥</verse>
				<verse number="17">ንሱ ይድልብ፤ ግና ፃድቕ እዩ ዝኽደኖ፤ ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ።</verse>
				<verse number="18">ከም ዓለባ ሳሬት ብቕልጡፍ ቤቱ ይሰርሕ፤ ከም ጐጆ ሓላዋይ ድማ እያ።</verse>
				<verse number="19">ብሃብታሙ እንተሎ ይድቅስ፤ ምስኡ ድማ ዝኾነ ነገር ኣይማላእን፤ ዓይኑ ቛሕ የብል፤ ንሱውን የለን።</verse>
				<verse number="20">ድንጋፀ ኸም ውሕጅ ኮይኑ የርክቦ፤ ንፋስ ኣውሎ ድማ ብለይቲ ይምንጥሎ።</verse>
				<verse number="21">ንፋስ ምብራቕ መንዚዑ ይወስዶ፤ ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕረት ይድርብዮ፤ ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤ እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">“ብሓቂ ብሩር፥ ዝወፀሉ፥ ወርቂውን ዝፈሰሉ ቦታ ኣሎ።</verse>
				<verse number="2">ሓፂን ካብ ምድሪ፥ ይውሰድ፤ ነሃስ ድማ ኻብ እምኒ መኺኹ እዩ ዝወፅእ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ንፀልማት ወሰን ይገብረሉ፤ ንናይ ኣእማን ፀልማትን ናይ ፅላሎት ሞትን፥ ክሳዕ መወዳእታ ይመራመሮ።</verse>
				<verse number="4">ካብቲ ሰብ ዝነብረሉ ርሒቆም መውረዲ ይዅዕቱ፤ ኣብ እግሪ ሰብውን ተረስዑ፤ ካብ ሰብውን ርሒቖም እናተንጠልጠሉ ነነው ይብሉ።</verse>
				<verse number="5">እንጀራ ካብ ውሽጢ ምድሪ ይወፅእ፤ መዓሙቓ ኸዓ ኸም ብሓዊ ይገላበጥ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣእማና ኸዓ ሰፈር ሰንፔር እዩ፤ ድኹም ወርቂ ኸዓ ኣብኡ ይርከብ።</verse>
				<verse number="7">ነታ መንገዲ፥ ሊሎ ኣይፈልጦን፤ ዓይኒ ንስሪውን ኣይረአየታን።</verse>
				<verse number="8">ውሉድ ዕቡያት ኣይረገፅዋን፤ ሽደን ኣንበሳውን ኣይሓለፋን።”</verse>
				<verse number="9">“ሰብ ናብ እምኒ ቡላድ ኢዱ ይዝርግሕ፤ ንእምባታት ከዓ ኻብ መሰረቶም ነቒሉ ይግልብጦም።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፤ ዓይኑውን ንዅሉ ዕንቍ ትርኢ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ፈሳሲ ኸየንጠብጥብ ይሓትሞ፤ ነቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ድማ ናብ ብርሃን የውፅእዎ።”</verse>
				<verse number="12">“ግና ጥበብ ኣበይ እያ እትርከብ? ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ?</verse>
				<verse number="13">መንገዳ ዝፈልጥ ሰብ የለን፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን እያ።</verse>
				<verse number="14">ቃላይ ‘ንሳ ምሳይ የላን’ ይብል፤ ባሕሪ እውን ‘ኣብ ውሽጠይ የላን’ ይብል።</verse>
				<verse number="15">ብፅሩይ ወርቂ ኣይትዕደግን እያ፤ ብሩርውን ስለ ዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ብወርቂ ኦፊርን፥ ብኽቡር ዕንቍን ብሰንፔርን ኣይትግመትን እያ።</verse>
				<verse number="17">ወርቅን ብርጭቆን ኣይወዳደርዋን፤ በቕሓ ፅሩይ ወርቂውን ኣይትልወጥን።</verse>
				<verse number="18">ብዛዕባ ዕንቍን ኣልማዝን እኳ ኣይንገርን፤ ዋጋ ጥበብ ካብ ቀይሕ ዕንቊ ይበልፅ።</verse>
				<verse number="19">ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመዓራረያን፤ ብፅሩይ ወርቂውን ኣይትግመትን።”</verse>
				<verse number="20">“አረ ጥበብ ካበይ እያ እትመፅእ? ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="21">ካብ ዓይኒ ዅሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።</verse>
				<verse number="22">ሞትን ጥፍኣትን፥ ‘በእዛንና ጥራሕ ወሬኣ ሰሚዕና’ ይብሉ።”</verse>
				<verse number="23">“ንወሰናት ምድሪ ዝቋመቶ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዝሪኦ ንሱ ስለ ዝኾነ፥ መንገዲ ጥበብ ዘስተውዕል እግዚኣብሄር እዩ፤ ንቦታኣ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="24"></verse>
				<verse number="25">ንሱ ንንፋስ፥ ሚዛን ምስ ገበረሉ፤ ንባሕሪ ኸዓ ብመስፈሪ ምስ ሰፈሮ፥</verse>
				<verse number="26">ንዝናም ስርዓት፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ምስ መደበሉ፥</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ረአያ፤ ገለፃውን፤ ኣዳለዋ፥ መሊሱውን መርመራ።”</verse>
				<verse number="28">“ንሰብ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ከዓ ምስትውዓል እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣየ! ናብራይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ፥ ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ!</verse>
				<verse number="3">መብራህቲ ኣብ ርእሰይ ክበርህ እንተሎ፥ ኣነውን ነቲ ፀልማት ሓሊፈ ብብርሃኑ ክኸይድ እንተለኹ፥</verse>
				<verse number="4">ብዘመን ጕብዝናይ እንተለኹ፥ ኣምላኽ ንቤተይ ክሕልዋ እንተሎ፥</verse>
				<verse number="5">እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሳይ እንተሎ፥ ደቀይውን ከቢቦም ኣብ ዙርያይ እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="6">መንገደይ ብጠስሚ ይሕፀብ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥</verse>
				<verse number="7">ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥</verse>
				<verse number="8">ኣጕባዝ ሪኦምኒ ይሕብኡ ነበሩ፤ ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ይቖሙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣሕሉቅ ካብ ምዝራብ ስቕ በሉ፤ ኣእዳዎምውን ኣብ ኣፎም ገበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኣሕሉቕ ድማ ድምፆም የጥፍኡ፤ መልሓሶም ከዓ ኣብ ታሕናጎም ይጣበቕ ነበረ።”</verse>
				<verse number="11">“ዝሰምዐትኒ እዝኒ ኣድነቐትኒ፤ ዝረአየትኒ ዓይኒውን መስከረትለይ።</verse>
				<verse number="12">ሓገዝ ደልዮም ንዘእውዩ እረድኦም ነበርኩ፤ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ።</verse>
				<verse number="13">ንጥፍኣት ዝቐረበ በረኸት ኣባይ መፀ፤ ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ።</verse>
				<verse number="14">ንፅድቂ ለበስክዋ፤ ንሳውን ለበሰትኒ፤ ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ንዕዉር ዓይኒ፥ ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="16">ንድኻታት ኣቦኣቶም ነበርኩ፤ ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ።</verse>
				<verse number="17">ምንጋጋ ዓመፅቲ ሰበርኩ፤ ነቲ ዝመንዝዕዎ ኸዓ፥ ካብ ውሽጢ ኣስናኖም መንጠልክዎ።”</verse>
				<verse number="18">“ኣነውን ‘ንዕድመይ ከም ሑፃ ኸብዝሕ እየ፤ ኣብ ማእኸል ደቀይውን ክመውት እየ’ በልኩ።</verse>
				<verse number="19">ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፥ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።”</verse>
				<verse number="20">“ ‘ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፥ ቀስተይ ከዓ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ’ በልኩ።”</verse>
				<verse number="21">“ሰባት ንኣይ ሰሚዖም በትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪ ቓለይ ሓደኳ ኣይመለሱን፤ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ንዝናም ከም ዝፅበዩ ብትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ።</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም እሙናት ብዘይኮኑሉ ጊዜ ሰሓቕኩሎም፤ ንብርሃን ገፀይውን ኣየውረድዎን።</verse>
				<verse number="25">ንመንገዶም መረፅኩ፤ ከም ሓለቓ ኾይነውን ተቐመጥኩ፤ ኣብ ማእኸል ሰራዊቱ ኸም ዝነብር ንጉስ፥ ንሓዘንተኛታት ከም ዘፀናንዕ ነበርኩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">“ሕዚ ግና እቶም ብዕድመ ኻባይ ዝንእሱ፥ ነቦታቶም ምስቶም መጓሰይ ዝሕልዉ ኣኽላባት እኳ፥ ንምንባር ዝነዓቕኩዎም፥ የባጭዉለይ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="2">ምሉእ ሰብ ምዃኖም ጠፊእዎም ነበረ፤ ብርትዐ ኣእዳዎም ንኣይ እንታይ ክጠቕመኒ እዩ?</verse>
				<verse number="3">ብስእነትን ጥሜትን ዝመንመኑ እዮም፤ ናይ ምፍራስን ምብትታንን ፀልማት ናብ ዘለዎ ምድረ በዳ ይሃድሙ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ጥቓ ቘጥቋጥ ዘሎ፥ ጨው ጨው ዝብል ኣትኽልቲ ይኣርዩ፤ ሱር ታህሶስውን ምግቦም ይገብሩ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ሰባት ተፈልዮም ተሰጐጉ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራቒ ዋዕ ዋዕ ከም ዝበሃል የድህዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ በዓትን ኣብ ጕድጓድ ምድርን፥ ኣብ ማእኸል ኣኻውሕን ይነብሩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ማእኸል ዱር ኮይኖም የእውዩ፤ ኣብ ትሕቲ እሾዅ ይእከቡ።</verse>
				<verse number="8">ደቂ ነውራማትን ሰነፋትን እዮም፤ ተገሪፎም ካብ ሃገር ዝተሰጉ እዮም።”</verse>
				<verse number="9">“ሕዚ ኣነ መድረፊኦምን፥ መመሰሊኦምን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ፈንፈኑኒ፤ ካባይ ድማ ረሓቑ፤ ምራቖምውን ኣብ ቅድመይ እንትፍ ምባል ኣይሓፍሩን።</verse>
				<verse number="11">ንሱ መወርወሪ ቐስተይ ኣላሕሊሑ ኣዋሪዱኒ እዩሞ፥ ንሳቶምውን ኣብ ቅድመይ ልጓሞም ፈትሑ።</verse>
				<verse number="12">ብወገን የማነይ ስድታት ደቂ ተልዓሉኒ፤ ነእጋረይ ይደፍኡወን፤ መንገዲ ጥፍኣቶምውን ኣባይ የልዕሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">ንመንገደይ የበላሽውዎ ኣለዉ፤ ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ንመከራይ የብዝሕዎ።</verse>
				<verse number="14">ብገፊሕ ፍራስ ከም ዝመፁ ይመፁኒ፤ ብፍሩስ መካበቢያ ተንከባሊሎም ይኣትዉ።</verse>
				<verse number="15">ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተመለሰትኒ፤ ከም ንፋስ ኮይኖምውን ንኽብረይ የሳጕጉዋ፤ ድሕንነተይውን ከም ደመና ሓለፈ።”</verse>
				<verse number="16">“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤ ዘመን መከራ ሓዘትኒ።</verse>
				<verse number="17">ኣዕፅምተይ ብለይቲ ብደዌ ይንደል፥ ዝቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዓርፍን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ሓይሊ እቲ ብርቱዕ ሕማም ዝተልዓለ ኽዳነይ ተበላሸወኒ፤ ከም ክሳድ ቀምሽውን ሓነቐኒ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ናብ ውሽጢ ጭቃ ደርበየኒ፤ ከም ሓመድን ሓሙዅሽትን መሰልኩ።”</verse>
				<verse number="20">“ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ተማህለልኩ፤ ንስኻ ግና ኣይመለስካለይን፤ ተሳእኹ፥ ኣይተመልከትካንን።</verse>
				<verse number="21">ተመሊስካ ጨካን ኮንካኒ፤ ብብርቱዕ ኢድካ ኣጨነቕካኒ።</verse>
				<verse number="22">ብንፋስ ኣልዓልካኒ ኣብ ልዕሊኡውን ኣቐመጥካኒ፤ ብንፋስ ኣውሎ ኣምከኽካኒ።</verse>
				<verse number="23">ናብቲ ዅሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፥ ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ግና ዝወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን እዩ? ወይ ጥፍኣት ዝመፆዶ ኣየእውን እዩ?</verse>
				<verse number="25">ኣነ ነቶም ፀገም ዝረኸቡዶ እበኽየሎም ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሓዝነሉዶ ኣይነበረትን?</verse>
				<verse number="26">እንሆ፥ ሰላም ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፤ ግና መከራ መፀኒ፤ ንብርሃን ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ግና ፀልማት መፀ።</verse>
				<verse number="27">ኣምዑተይ ይፈልሕ፥ ግና ኣይዓርፍን፤ ዘመን መከራ መፀትኒ።</verse>
				<verse number="28">ብዘይ ፀሓይ ብትካዘ ኸድኩ፤ ኣብ ማእኸል ጉባኤውን ደው ኢለ ኣእዌኹ።</verse>
				<verse number="29">ንወኻሩ ሓወን፥ ንሰገናትውን መሓዛአን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="30">ቈርበተይ ፀለመ፤ ካባይ ተፈልዩውን ርግፍግፍ በለ፤ ኣዕፅምተይ ድማ ኻብ ረስኒ ዝተልዓለ ተቓፀለ።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ መሰንቆይ ንሓዘን፥ እምብልታይውን ንበኸይቲ ቓል ኮነ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤ ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?</verse>
				<verse number="2">እቲ ግደ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ እቲ ርስቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል፥ ካብ ኣርያም እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="3">ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥ ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="4">ንሱስ ንመንገደይዶ ኣይሪኣን እዩ? ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?”</verse>
				<verse number="5">“ኣነ ብሓሰት ዝነብር እንተ ነይረ፥ እግረይውን ንምትላል ጐይዩ እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤ ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣካይዳይ ካብ ቅኑዕ መንገዲ እንተ ዘምቢሉ፥ ዓይነይ ዝረአዮ ልበይ ተመንይዎ እንተ ኾይኑ፥ ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥</verse>
				<verse number="8">ነቲ ዝዘርኦ ኻልእ ይብልዓዮ፤ ኵሉ ዝበቍልውን ካብ ሱሩ ይበቘስ።”</verse>
				<verse number="9">“ልበይ ናብ ካልእ ሰበይቲ ጐምጅዩ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ደገ ቤት ብፃየይ ተፀናትየ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="10">ሰበይተይ ንኻልእ ሰብ ትጥሓን፤ ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ነውሪ እዙይ፥ ወንጀል እዩ፤ ፈረድቲ እውን ዝቐፅዑሉ በደል እዩሞ።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፥ ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">“ተባዕታይ ባርያይን ኣንስተይቲ ባርያይን፥ ምሳይ ምስተማጐቱ ምጕቶም ንዒቐ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ክፈርደኒ ምስ ተስአ እንታይ ክገብር እየ? ምስ ተቘፃፀረኒኸ፥ እንታይ ክምልሰሉ እየ?</verse>
				<verse number="15">እቲ ንኣይ ኣብ ማህፀን ዝፈጠረ፥ ንእኡስ ዝፈጠሮዶ ኣይኮነን? እቲ ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝሰርሐናስ ሓደዶ ኣይኮነን።”</verse>
				<verse number="16">“እቲ ምስኪን ለሚኑኒ ኸሊአዮ እንተ ኾይነ፥ ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="17">ቍራስ እንጀራይ በይነይ እንተ በሊዐ፥ እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="18">እኳ ደኣ ንደኽታም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ከም ኣቦ ኾይነ ኣዕበኽዎ፤ ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ።</verse>
				<verse number="19">ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ክጠፍእ፥ ወይ ንድኻ ብዘይ ክዳን ምዃኑ ምስ ረአኽዎ፥</verse>
				<verse number="20">ካብ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ዝተኣልመ ኽዳን ሂበ እንተ ዘየሚቘዮ፥ ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ”</verse>
				<verse number="21">“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤ ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="22">ቅልፅመይ፥ ካብ መንኰበይ ይፈለ፤ ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር።</verse>
				<verse number="23">ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”</verse>
				<verse number="24">“ንወርቂ ተስፋ ገይረ፥ ንፅሩይ ወርቂውን ‘መተኣማመንየይ ኢኻ’ ኢለዮ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="25">ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="26">ድምቀት ብርሃን ፀሓይ ሪአ፥ ነቲ ኽቡር ኣካይዳ ወርሒውን ጠሚተ እንተ ኾይነ።</verse>
				<verse number="27">ልበይ ብስዉር ተታሊሉ፥ ኣፈይውን ንኢደይ ስዒሙ እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="28">ከምዙይ ምግባር ንልዑል እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩሞ፥ እዙይ ከዓ ፈራዶ ዝቐፅዑሉ በደል ምዀነ ነይሩ።”</verse>
				<verse number="29">“ብጕድኣት ፀላእየይ ደስ ኢሉኒ እንተ ኾይኑ፥ መከራ ምስ ወረዶውን ተሓጕሰ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="30">ግና ብመርገም ንነፍሱ ብምድላይ፥ መልሓሰይ ሓጢኣት ክሰርሕ ኣይፈቐድኩን።</verse>
				<verse number="31">ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥ ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥</verse>
				<verse number="32">ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤ መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”</verse>
				<verse number="33">“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥ ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="34">ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥ ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”</verse>
				<verse number="35">“ኣየ! ዝሰምዐኒ እንተ ዝረክብ! እነሆ ፅሕፈት ኢደይ፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ መልሲ ይመልሰለይ! እቲ ኸሳስየይ ድማ ኽሱ ፅሒፉ እንተ ዘቕርብ!</verse>
				<verse number="36">ኣብ ማእገረይ ምፆርክዎ፤ ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ።</verse>
				<verse number="37">ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ መፍለጥክዎ፤ ከም ሓለቓ ኾይነ ኸዓ ምቐረብክዎ ነይረ።”</verse>
				<verse number="38">“ግራተይ ብኣይ ኣእውያ እንተ ኾይና፥ ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥</verse>
				<verse number="39">ንፍሪኣ ብዘይ ዋጋ በሊዐ፥ ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ኽንዲ ስርናይ ክርዳድ፥ ክንዲ ስገም ከዓ ሰዓዕ ተብቍለለይ።” ዘረባ ኢዮብ ኣብዙይ ተፈፀመ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ኢዮብ “ፃድቕ ሰብ እየ” ኢሉ ዝኣምን ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ፥ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ካብ ወገን ራም ዝኾነ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ፤ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ኢዮብ ንባዕሉ ኣፅዲቑ ነበረሞ፥ ኣበርቲዑ ዀረየሉ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ግና ምላሽ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ ኣብ ኢዮብውን ስለ ዝፈረዱ፥ ኤሊሁ ዀረየሎም።</verse>
				<verse number="4">ንኤሊሁ ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ ንሳቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኤሊሁ እንተይተዛረበ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="5">ኤሊሁ፥ ሰለስቲኦም ዝምልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="6">ኤሊሁ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ኣነ ብዕድመ ንእሽተይ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፤ ስለዙይ ከዓ ሓፊረ ኽሳዕ ሕዚ ስቕ በልኩ፤ ሓሳበይውን ኣይገለፅኩልኩምን።</verse>
				<verse number="7">ኣነ፥ እተን መዓልቲታት ይዛረባ፤ ብዝሒ ዓመታት ከዓ ጥበብ የፍልጥ፥ ኢለ ሓሰብኩ።</verse>
				<verse number="8">ግና ኣብ ውሽጢ ሰብ መንፈስ ኣሎ፤ ግና መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ምስትውዓል ዝህብ።</verse>
				<verse number="9">ዓበይቲ ጥራሕ ኣይኮኑን ጠቢባን ዝኾኑ፥ ሽማግለታትውን ኣይኮኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ፥ ኣነውን ‘ፍልጠት ክገልፅስ ስምዑኒ’ እብል ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="11">“እንሆ፥ ንቓልኩም ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ቃላት ክትሓርዩ እንተለኹምውን፥ ንቑም ነገርኩም ፅን በልኩ።</verse>
				<verse number="12">ከምኡውን ልቢ በልኩ፤ እንሆ ኻባኻትኩም ንኢዮብ ዘረድአ፥ ወይ ንቓሉ መልሲ ዝሃበ የለን።</verse>
				<verse number="13">ኢዮብ ግቡእ መልሲ ኽህቦ ዝኽእል፥ ንስኻትኩም ጥበብ ረኺብና ኣለና፥ እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ኣየሸንፎን፥ ከይትብሉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="14">ኢዮብ ምሳኻትኩም እምበር ምሳይ ኣይተዛረበን፤ ከምቲ ዘረባኹም ገይረ ኸዓ ኣይምልሰሉን እየ።”</verse>
				<verse number="15">“ንሳቶም ደንጊፆም ዘረባ ስኢኖም ኣለዉ፤ እንታይ ከም ዝዛረቡ ኸዓ ጠፊእዎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ሓደኳ ኣይተናገሩንሞ፥ ደው ኢሎምውን ኣይመለሱንሞ፥ ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ?</verse>
				<verse number="17">ኣነውን ብታራይ ክምልስ፥ ሓሳበይ ድማ ኽገልፅ እየ።</verse>
				<verse number="18">ቃል መሊኡኒ ኣሎሞ፥ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ፥ ብጕዕሽ ወይኒ ኽቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ቁሩብ ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፥ ከናፍረይ ከፊተ፥ ክምልስ ክጅምር እየ።</verse>
				<verse number="21">ንገፅ ሰብ ግና ኣየዳሉን እየ፤ ንሰብውን ኣየቀባጥርን እየ።</verse>
				<verse number="22">ምቅብጣር እኳ ኣይፈቱን እየ፤ ከምኡ እንተ ዝኸውንማ፥ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ካብ ህይወተይ ምፈለየኒ ነይሩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">“ኦ ኢዮብ፥ ሕዚ ግና ንዘረባይ ስማዕ፤ ንዅሉ ቓለይ ከዓ ፅን ክትብሎ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኣፈይ እኸፍት ኣለኹ። መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ፤</verse>
				<verse number="3">ቃለይ ቅንዕና ልበይ የውፅእ፤ ከናፍረይ ከዓ ነቲ ዝፈልጥዎ ብቕንዕና ይናገሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">መንፈስ እግዚኣብሄር እዩ ዝፈጠረኒ፤ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ህይወት ዝሃበኒ።”</verse>
				<verse number="5">“እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፤ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከማኻ እየ፤ ኣነውን ካብ መሬት ዝተፈጠርኩ እየ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ግርማይ ኣየፍርሐካን፤ ኢደይውን ኣይኸብደካን እዩ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣብ እዝነይ ተዛሪብካ ኢኻ፤ ንድምፂ ቓልካውን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ከምዙይ ድማ በልካ፦</verse>
				<verse number="9">‘ኣነ በደል የብለይን፤ ንፁህ እየ፤ ሓጢኣትውን የብለይን።</verse>
				<verse number="10">እንሆ፥ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፤ ከም ፀላኢኡውን ይሪአኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ነእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣሰረን፤ ንዅለን መንገድታተይውን ይቋመተን ኣሎ’ ትብል ኣለኻ።”</verse>
				<verse number="12">“እንተ ኾነ እግዚኣብሄር ካብ ሰብ ይበልፅ እዩ እሞ፥ በዙይስ ትኽክል ኣይኮንካን ኢለ እምልሰልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">‘ንዅሉ ቓለይ ኣይምልሰለይን’ እናበልካ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ምስኡ እትከራኸር?</verse>
				<verse number="14">ሰብ ደኣ ኣየቕልበሉን እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄርስ ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ ይዛረብ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፥ ኣብ ዓራቱውን ምስ ደቀሰ፥ ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ።</verse>
				<verse number="16">ንሰብ ይግስፆ፤ ንሱ ኸዓ ንእዝኒ ሰብ ይኸፍቶ፤ ብተግሳፁውን የደንግፆ።</verse>
				<verse number="17">ንሰብ ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ኽመልሶ፥ ካብ ትዕቢትውን ክስውሮ፥</verse>
				<verse number="18">ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ፥ ብሰይፊ እውን ንኸይጠፍእ ንህይወቱ ይሕሉ።</verse>
				<verse number="19">ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቅያት፥ ኣብ ኵሉ ዓፅሙ ብቓንዛ ይቕፃዕ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ህይወቱ ንእንጀራ፥ ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፀልእ።</verse>
				<verse number="21">ስጋኡ ዘይረአ ኽሳዕ ዝኸውን ስጋኡ ይማስን፤ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣዕፅምቱ ይግለፅ።</verse>
				<verse number="22">ነፍሱ ናብ መቓብር፥ ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።”</verse>
				<verse number="23">“ካብ ኣሽሓት መላእኽቲ ሓደ ማእኸላይ እንተ ዝርከብ፥ ንሰብውን እታ ቕንዕቲ መንገዲ እንተ ዘፍልጦ፤</verse>
				<verse number="24">ራህሪሁሉውን ‘ቤዛ ተረኺቡሉ እዩ እሞ፥ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ፥</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ስጋኡ ኸም ናይ ህፃን ስጋ ይልምልም፤ ናብ መዓልቲታት ጕብዝናኡ ይምለስ።</verse>
				<verse number="26">ናብ እግዚኣብሄር ይፅሊ፤ ንሱውን ሞገስ ይህቦ፤ ገፁውን ብሓጐስ የርእዮ፤ ንሰብውን ፅድቁ ይምልሰሉ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ንሱ ‘ኣነ በደልኩ፤ ነቲ ቕኑዕውን ኣቐይነንኩ፤ ኣምላኽ ግና ኸም ዝግብአኒ ኣይፈደየንን፤ ንነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ኣድሒኑዋ እዩ፤ ህይወተይውን ብርሃን ትርኢ ኣላ’ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።”</verse>
				<verse number="28"></verse>
				<verse number="29">“እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ፥ ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሰብ ይገብሮ።</verse>
				<verse number="30">እዙይውን ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ ንኽመልስ፥ ብብርሃን ህያዋንውን ንኸብርህ እዩ።”</verse>
				<verse number="31">“ኢዮብ፥ እምበኣር ኣስተውዒልካ ስምዐኒ፤ ስቕ በል እሞ ኣነ ኽዛረብ እየ።</verse>
				<verse number="32">እትብሎ እንተ ሃልዩካ ግና መልሰለይ፤ ክትፀድቕ እደሊ እየሞ ተናገር።</verse>
				<verse number="33">እንተ ዘይኮነ ነኣይ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣነ ድማ ጥበብ ክምህረካ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ኤሊሁ ብምቕፃል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ጠቢባን፥ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፤ ኣቱም ፈላጣትውን፥ ናባይ ኣቕልቡ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ትሕናግ ንብልዒ ዘስተማቕሮ፥ እዝኒ ድማ ንዘረባ ይፈልዮ እዩሞ።</verse>
				<verse number="4">ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ንምረፅ፤ ኣብ ማእኸልና ፅቡቕ ነገር ንፍለጥ።</verse>
				<verse number="5">ኢዮብ፥ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ኸልአኒ እምበር፥ ኣነስ ፃድቕ እየ፤</verse>
				<verse number="6">ቅኑዕ እንተለኹ ኸም ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤ ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ንላግፂ ኸም ማይ ዝሰቲ፥ ከም ኢዮብ ዝበለ ሰብ ኣበይ ይርከብ?</verse>
				<verse number="8">“ሰብ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ተኸተለ፥ ዝኾነ እኳ ኣይጠቕሞን እዩ” ኢሉ እዩ እሞ፥ መሓዛ ገበርቲ ኽፉእን ምስቶም ሓጥኣን ዝሓበረን ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፥ እስኪ ስምዑኒ፤ ክፍኣት ክገብርስ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ በደልውን ክሰርሕስ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይርሓቕ።</verse>
				<verse number="11">ንሰብ ከከም ግብሩ ይፈድዮ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።</verse>
				<verse number="12">ብርግፅ እግዚኣብሄር ክፉእ ኣይገብርን፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ፍትሒ ኣየቐይንን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንምድሪ ሓደራ ዝሃቦ መን እዩ? ንዅሉ ዓለምከ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበረ መን እዩ?</verse>
				<verse number="14">ንሱ ንልቡ ናብ ባዕሉ እንተ ዝምልስ፥ መንፈሱን እስትፋሱን ናብ ባዕሉ እንተ ዝእክብ፥</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሓቢሩ ምጠፍአ፤ ሰብ ከዓ ናብ መሬት ምተመለሰ ነይሩ።</verse>
				<verse number="16">ኢዮብ፥ መስተውዐሊ እንተ ዄንካ ነዙይ ስማዕ፤ ናብ ድምፂ ቓለይውን ኣቕልብ።</verse>
				<verse number="17">ብሓቂ ፅድቂ ዝፀልእዶ ኽገዝእ ይኽእል እዩ? ነቲ ፃድቕን ሓያልን ዝኾነኸ ንስኻዶ በደለኛ ትገብሮ ኢኻ?</verse>
				<verse number="18">ዝኾነ ሰብዶ “ንንጉስ በዳሊ ኢኻ” ነሕሉቕ ከዓ “ክፉኣት ኢኹም” ይብል እዩ?</verse>
				<verse number="19">ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥ ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንሳቶም ከም ቅፅበት ዓይኒ ፍርቂ ለይቲ ይሞቱ፤ እቲ ህዝቢ ተንቀጥቂጡ ይሓልፍ፤ ሓያላትውን፥ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።</verse>
				<verse number="21">ኣዒንቱ ኣብ መንገዲ ሰብ እየንሞ፥ ንዅሉ ስጕምቶም ይሪኦ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ፥ ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን።</verse>
				<verse number="23">ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽፍረድ ክመፅእ ቆፀራ ኽሕዘሉ ኣየድልዮን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንሓያላት ብዘይ ምርመራ ይሰባብሮም፤ ክንድኣቶም ከዓ ኻልኦት የቕውም።</verse>
				<verse number="25">ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ፤ ንኽደቁውን ብለይቲ ይገለባብጦም።</verse>
				<verse number="26">ሰባት እናረአዩ ኸም ክፉኣት ይወቕዖም።</verse>
				<verse number="27">እዙይ ከዓ ንእኡ ኻብ ምኽታል ስለ ዘግለሱ፥ ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ብኽያት ድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝበፅሕ ስለ ዝገበሩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ።</verse>
				<verse number="29">ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ኣነ ንእግዚኣብሄር እንተይበደልኩ ቅፅዓት ተቐበልኩ፤</verse>
				<verse number="32">ንዘይሪኦ ነገር ንስኻ መሃረኒ፤ በዲለ እንተ ኾይነውን መሊሰ ኣይብድልን ዝብሎ መን እዩ?</verse>
				<verse number="33">ብሓቂ ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻሞ፥ ከምቲ እትደልዮ ገይሩዶ ኽፈዲ እዩ? እትመርፅ ንስኻ ኢኻ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን፤ ስለዙይ እትፈልጦ ተናገር።</verse>
				<verse number="34">ኵሎም ዝሰምዑኒ ጥበበኛታት፥ መስተውዓልቲውን ከምዙይ ይብሉኒ፦ “ኢዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዝዛረብ፤ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ” ኽብሉኒ እዮም።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">ኣብ ቅድሚ ዅልና ድማ ብኢድ የጣቕዕ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ቃል የብዝሕ ኣሎሞ፥ ንሱ ኸምቶም ክፉኣት ሰባት እዩ ዝምልስ እሞ፥ ኢዮብ ኣበይሞ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዝፍተን!</verse>
				<verse number="37"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="2">እዙይ ፅድቂ ኸም ዝኾነዶ ትሓስብ ኣለኻ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር “ፃድቕ እየዶ” ትብል ኣለኻ?</verse>
				<verse number="3">ንስኻ እንታይ ጥቕሚ ኣለካ? “ሓጢኣት ሰሪሐ ኻብ ዝረኽቦ ብዝበለፀ፥ ሓጢኣት እንተ ዘይሰሪሐ እንታይ እረብሕ?” ኢልካ ጠይቕካ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="4">ነዙይስ ኣነ ኽምልሰልካ፤ ኣነ ንኣኻን ምሳኻ ንዘለዉ ብፆትካን ክምልስ እየ።</verse>
				<verse number="5">እስኪ ኣዒንትኻ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ጠምት፤ ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደመናውን ተመልከቶ።</verse>
				<verse number="6">ሓጢኣት እንተ ገበርካ፥ እንታይ ትጐድኦ? በደልካ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትገብሮ?</verse>
				<verse number="7">ፃድቕ እንተ ኾንካ እንታይ ትህቦ? ካብ ኢድካ ዝቕበሎኸ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="8">ሓጢኣትካ ነዝ ከማኻ ዝበለ ሰብ እዩ ዝጐድእ፤ ፅድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዝጠቕም።</verse>
				<verse number="9">ካብ ብዝሒ ግፍዒ ዝተልዓለ ሰባት የእውዩ፤ ካብ ቅልፅም ሓያላት ዝተልዓለውን ዘናግፍ ንምርካብ ይፅውዑ።</verse>
				<verse number="10">ግና ብለይቲ መዝሙር ዝህብ፥ ካብ እንስሳት ምድሪ ብዝበለፀ ዝምህረና፥ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊፁ ጥበበኛታት ዝገብረና፥ ፈጣሪየይ እግዚኣብሄር ኣበይ እዩ ዝብል የለን።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ኣብኡ ስለ ትዕቢት ክፉኣት ሰባት የእውዩ፤ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።</verse>
				<verse number="13">ብሓቂ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ነገር ኣይሰምዕን፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣይምልከቶን።</verse>
				<verse number="14">ምናዳ “ኣይሪኦን” እንተ በልካ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽሰምዐካ! ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፤ ንስኻውን ተፀበዮ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ንሰብ ዘይቐፅዖ፤ ንሓጢኣትውን ሸለል ዝብሎዶ፥ ይመስለካ ኣሎ?</verse>
				<verse number="16">ስለዙይውን ኢዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፤ ብዘይ ፍልጠት ከዓ ዘረባ የብዝሕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦</verse>
				<verse number="2">ኢዮብ፥ ገና ስለ እግዚኣብሄር ዝንገር ኣለኒ እሞ፥ ቁሩብ ተፀበየኒ፤ ኣነውን ከፍልጠካ እየ።</verse>
				<verse number="3">ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምፅኦ እየ፤ ፈጣሪየይውን ፃድቕ እዩ እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ብሓቂ፥ ዘረባይ ሓሰት ኣይኮነን፤ ብፍልጠትውን ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ሓያል እዩ፤ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፤ ንሱ ብብርቱዕ ምስትውዓሉ ሓያል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ንህይወት ሓጥኣን ኣየድሕንን እዩ፤ ንዝተገፍዑ ግና ፍትሒ ይህብ።</verse>
				<verse number="7">ኣዒንቱ ኻብ ፃድቃን ኣየርሕቕን፤ ንዘለኣለምውን ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋን የቐምጦም፤ ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ።</verse>
				<verse number="8">ግና ሰባት ብሰንሰለት እንተ ተኣስሩ፥ ብገመድ ሽግርውን እንተ ተትሓዙ፥</verse>
				<verse number="9">ንሱ ንተግባሮምን፥ ምትሕልላፎምን፥ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎን የፍልጦም።</verse>
				<verse number="10">ተግሳፁ ንኽሰምዑ ኣእዛኖም ይኸፍተሎም፤ ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም።</verse>
				<verse number="11">እንተ ሰሚዖምዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፥ መዓልትታቶም ብሰናይ፥ ዓመታቶም ድማ ብደስታ ይፍፅሙ።</verse>
				<verse number="12">እንተ ዘይሰምዑ ግና፥ ብሰይፊ ኽጠፍኡ፥ ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ግብዛት ግና ቝጥዓ የብዝሑ፤ እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።</verse>
				<verse number="14">ነፍሶም ብሸዊታ ትቕሰፍ፤ ህይወቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርኹሳት ትጠፍእ።</verse>
				<verse number="15">ንሽጉራት ብሽግሮም ገይሩ የድሕኖም፤ በቲ ጭንቀቶምውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።</verse>
				<verse number="16">ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ መከራ ኸናግፈካ፥ ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውፅአካ፥ ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ግና ብፍርዲ በደልቲ ዝተመላእኻ ኢኻ፤ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።</verse>
				<verse number="18">ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤ ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።</verse>
				<verse number="19">ሃብትኻን ኵሉ ምብርታዕ ሓይልኻን፥ ካብ ጭንቂ ኸውፅአካዶ ይኽእል እዩ?</verse>
				<verse number="20">ነታ ኣህዛብ ካብ ቦታኦም ዝውሰዱላ ለይቲ ኣይትመነያ።</verse>
				<verse number="21">ካብ መከራ ነዙይ መሪፅካ ኢኻሞ፥ ናብ ሓጢኣት ከይትምለስ ተጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ብሓይሉ ልዕል ዝበለ ነገር ይገብር፤ ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="23">ንኣምላኽ መንገዲ ዝሓበረሉ መን እዩ? “ሓጢኣት ጌርካ” ዝብሎኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="24">ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥ ንኽተኽብርውን ሕሰብ።</verse>
				<verse number="25">ኵሎም ሰባት እዮም ዝጥምትዎ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣማዕድዩ ይሪኦ።</verse>
				<verse number="26">እንሆ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ንሕናውን ኣይንፈልጦን፤ ቍፅሪ ዘመኑውን ኣይምርመርን።</verse>
				<verse number="27">ንነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕቦ፤ ካብ ግመውን ዝናም የዝንም።</verse>
				<verse number="28">ደመናት የዝንሙ፤ ኣብ ልዕሊ ሰባትውን ብብዝሒ የንጠብጥቡ።</verse>
				<verse number="29">ንምዝርጋሕ ደመናን፥ ንነጐድጓድ መሕደሪኡን ዘስተውዕሎ መን እዩ?</verse>
				<verse number="30">ኣብ ዙርያኡ ብርሃኑ ይዝርግሕ፤ ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ።</verse>
				<verse number="31">በዝ ኸምዙይ ኣብ ኣህዛብ ይፈርድ፤ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህቦም።</verse>
				<verse number="32">ነእዳዉ ብብርሃን ይስውረን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኽድይብ ድማ ይእዝዞ።</verse>
				<verse number="33">ድምፂ ነጐድጓድ ምእንታኡ ይናገር፤ በዙይ ድማ እንስሳት መሸምቦባ ኸም ዝቐረበ ይፈልጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">“ስለዙይውን ልበይ ኣንቀጥቀጠ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ ተወሳወሰ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ምህማም ድምፂ ስምዑ፤ ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዘሎ ነጐድጓድ ስምዑ።</verse>
				<verse number="3">ንእኡ ናብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ፥ ንብርሃኑውን ካብ ሓደ ወሰን፥ ናብቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይሰዶ።</verse>
				<verse number="4">ብድሕሪኡ ድምፂ ይጓዝም፤ ብድምፂ ግርማኡውን የንጐድጕድ፤ ድምፂ ምስ ተሰምዐ ንመብረቕ ኣይኽልክሎን።</verse>
				<verse number="5">ኣምላኽ ብዘደንቕ ኵነታት ብድምፁ የንጐድጕድ፤ ንሕና ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገራት ድማ ይገብር።</verse>
				<verse number="6">ንበረድን ዝናምን ንብርቱዕ ፀፍዕን ናብ ምድሪ ኽወርዱ ይእዝዞም።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ሰባት ተግባሩ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንኢድ ወዲ ሰብ ይሓትሞ።</verse>
				<verse number="8">ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትዉ፤ ኣብ በብዓቶም ድማ ይቕመጡ።</verse>
				<verse number="9">ኣውሎ ንፋስ ካብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፤ ዛሕሊ ድማ ኻብ ሰሜን ይወፅእ።</verse>
				<verse number="10">ካብ እስትንፋስ እግዚኣብሄር ኣስሓይታ ተውሂቡ፤ ስፍሓት ማያት ከዓ ይፀብብ።</verse>
				<verse number="11">ንደመናታት ማይ ይፅዕኖም፤ ንናይ መብረቕ ደመናታትውን ይብትኖም።</verse>
				<verse number="12">እዚኣቶም ነቲ ዅሉ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገፅ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፥ ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንመቕፃዕቲ፥ ወይ ንምድሪ፥ ወይ ንምሕረት የውርዶም።”</verse>
				<verse number="14">“እምበኣርከስ፥ ኦ ኢዮብ! ነዙይ ስማዕ፤ ቁም፤ ንተኣምራት እግዚኣብሄርውን ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።</verse>
				<verse number="15">ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኸም ዝእዝዞም፥ እቲ ናይ ደመና ብርሃን ከመይ ከም ዘብርህ ፈሊጥካ ዲኻ?</verse>
				<verse number="16">ነቲ ምድልዳል ደበና፥ ወይ ናይቲ ፍልጠቱ ፍፁም ዝኾነ ዘደንቕ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ?</verse>
				<verse number="17">ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ፀጥ ምስ በለት፥ ክዳውንትኻ ዝሞቐካ ኣታ ንስኻ፥ ተስተውዕሎ ዲኻ!</verse>
				<verse number="18">ነቶም ከም ዝመኸኸ መስትያት ንዝኾኑ ሰማያት፥ ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ?</verse>
				<verse number="19">ንሕና ኻብ ፀልማት ዝተልዓለ፥ ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፥ እንብሎ ንስኻ ኣፍልጠና።</verse>
				<verse number="20">ዝኾነ ብዛዕባኡ እንተ ተናገረ ፈፂሙ ይወሓጥ እዩሞ፤ ኣነ ኽናገር እንተ ዝደሊ፥ ሰብዶ ይነግሮ እዩ?”</verse>
				<verse number="21">“ሕዚ ድማ ንፋስ ሓሊፉ ምስ ኣፅረዮም፥ ሰብ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘብርህ ብርሃን ክጥምቶ ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="22">ወርቂ ዝመስል ብርሃን ብወገን ሰሜን ይወፅእ፤ ኣምላኽ ከዓ ብዘፍርሕ ግርማኡ ተኸቢቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፤ ንሱ ብሓይሊ ብፍርዲ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፤ ንሓደኳ ኣይጭቁንን።</verse>
				<verse number="24">ሰባትውን በዙይ እዮም ዝፈርሕዎ፤ ነቶም ብልቦም ብልህታት ኢና ዝብሉ ኸዓ፥ ንሱ ኣየቕልበሎምን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ ንኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦</verse>
				<verse number="2">ብዘይ ፍልጠት ብዝንገር ቃል ንምኽረይ ዘፀልምቶ መን እዩ?</verse>
				<verse number="3">ከም ሰብ ኴንካ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥ ንስኻ ኣበይ ኔርካ? ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።</verse>
				<verse number="5">ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፥ ነቲ መጠና ዝወሰነ መን እዩ? መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="6">እቲ ንምድሪ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ዓምዲ ኣብ ምንታይ ተተኺሉ ኣሎ? ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="7">ናይ ጊሓት ከዋኽብቲ ሓቢሮም እንትዝምሩ፥ ኵሎም ደቂ እግዚኣብሄር ዕልል እንትብሉ፤ መሰረታት ኣብ ምንታይ ተተኺሎም ነበሩ? ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ባሕሪ ኻብ ማህፀን ከም ዝወፅእ ምስ ወፀ፥ ማዕፆኡ ዝዓፀወ መን እዩ?</verse>
				<verse number="9">ደመና ንልብሱ፥ ንፀልማት ድማ መጠቕለሊኡ ገበርኩ።</verse>
				<verse number="10">ወሰን ኣቖምኩሉ፤ መሸጐርን መዓፁን ከዓ ገበርኩሉ፥</verse>
				<verse number="11">“ክሳዕ ኣብዙይ ብፃሕ፤ ካብዙይ ንንየው ኣይትሕለፍ፤ እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ።</verse>
				<verse number="12">ንወሰናት ምድሪ ኽሕዞ እሞ፥ እቶም ዓመፀኛታት ተናዊፆም ምእንቲ ኽወፁ፥ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፥ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፥ ወይ ንብርሃን ወጋሕታኸ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ ኢኻ?</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዝልወጥ፥ ከምኡውን ንሳ ትልወጥ፤ ኵሉ ነገርውን ከም ክዳን ይቕለም።</verse>
				<verse number="15">ካብቶም ክፉኣት ብርሃኖም ተኸልኪሉ፤ እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ።</verse>
				<verse number="16">ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በፂሕኻ ትፈልጥ? ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?</verse>
				<verse number="17">ኣፍ ደገታት ሞት ተገሊፆምልካ ድዮም? በርታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ ትፈልጥ?</verse>
				<verse number="18">ስፍሓት ምድሪኸ! ትፈልጦ ዲኻ? እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ።</verse>
				<verse number="19">ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥ ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ፥ መንገዲ መንበሪ ብርሃን ኣበይ እዩ? ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ሽዑ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻሞ፥ አረ ቝፅሪ መዓልቲታትካውን ብዙሕ እዩ እሞ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ!</verse>
				<verse number="22">ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ? ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?</verse>
				<verse number="23">ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ብርሃን ብኸመይ መንገዲ ይከፋፈል? ንፋስ ምብራቕከ ኣብ ምድሪ ኸመይ ይብተን?</verse>
				<verse number="25">ንፈሳሲ ዝናም መትረብ ዘቃንዐሉ፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ?</verse>
				<verse number="26">ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፥ ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ዝናም ዘዝንመሉ መን እዩ?</verse>
				<verse number="27">ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኸብቍል ንምድሪ ኣፃምእን በረኻን ዘርውዮ መን እዩ?</verse>
				<verse number="28">ንዝናም ኣቦዶ ኣለዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="29">በረድ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዝወፅእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለደ መን እዩ? ንማያት ከም እምኒ ዘጠንክር፥ ንመዓሙቕ ባሕሪኸ ዘርግእ መን እዩ?</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ብሓቂ ዘለላ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ክትኣስርዶ ትኽእል ኢኻ? ወይ ነቲ ኦሪዮ ዝበሃል ኮኸብ ክትፈትሕዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="32">ወይ ማዛሮት ንዝተብሃሉ ኸዋኽብቲ ብጊዜኦም ክተውፅኦም፥ ወይ ድብ ንዝበሃል ኮኸብ ምስ ደቁ ክትመርሕዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="33">ንስርዓት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝሰልጥ ክትገብርከ ትኽእል ዲኻ?</verse>
				<verse number="34">ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኽሽፍነካ፥ ቃልካ ናብ ደመናት ክተልዕልዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="35">እኒሀና ኢሎምኻ ንኽኸዱስ፥ ንመባርቕቲ ኽትልእኾምዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="36">ንጥበብ ኣብ ውሽጡ ዘንበራ፥ ንልቢ ሰብ ድማ ምስትውዓል ዝሃበ መን እዩ?</verse>
				<verse number="37">ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ? ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?</verse>
				<verse number="38">ዝናም ምስ ዘነመ ሓመድ ተበፅቢፁ፥ ከም ዝረግእ ዝገብር መን እዩ? ደናኵል ብሓደ ኸም ዝጣበቑ ዝገብርከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="39">ንዋዕሮ ዝብላዕ ዘምፅአላ፥ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፥ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዝፀንሑ፥ ኰራዅር ኣንበሳኸ፥ ክተፅግቦም ትኽእል ዲኻ?</verse>
				<verse number="40"></verse>
				<verse number="41">ኳዃት ምግቢ ስኢኖም ክዞሩ እንተለዉ ጨቓዊቶምውን ዝብላዕ ስኢኖም ናብ ኣምላኽ እንተእውዩ፥ ዝምግቦም መን እዩ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">“ጤል በረኻ እትወልደሉ ጊዜዶ ትፈልጦ ኢኻ? እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ጊዜኸ ትምልከቶ ዲኻ?</verse>
				<verse number="2">ክንደይ ኣዋርሕ መላኣት ኮይነን ከም ዝፀንሓ፥ መኣዝውን ከም ዝወልዳ ትፈልጥ ዲኻ?</verse>
				<verse number="3">ብርክኽ ኢለን ደቀን ይወልዳ፤ ካብ ፃዕረንውን ይዓርፋ።</verse>
				<verse number="4">መሓስአን ይድልድላ፤ ኣብ በረኻ ይዓብያ፤ ይወፃ እሞ ናብኣተን ኣይምለሳን።”</verse>
				<verse number="5">“ንኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውፅአ መን እዩ? ነቲ ኣድጊ በረኻኸ ኻብ መእሰሪኡ ዝፈትሖ መን እዩ?</verse>
				<verse number="6">ንፀምፀም በረኻ ስፍራኡ፥ ምድሪ ጨው ከዓ መንበሪኡ ክኸውን ዝሃብክዎ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="7">ብናይ ከተማ ጫውጫውታ ይስሕቕ፤ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።</verse>
				<verse number="8">ንእምባታት ከም መዋፈሪ ይምልከቶ፤ ለምለም ዝኾነ ነገር ከዓ ይደሊ።”</verse>
				<verse number="9">“ብዕራይ በረኻ ሕራይ ኢሉዶ ይግዝአካ እዩ? ኣብ ደምቤኻኸ ይሓድረልካዶ?</verse>
				<verse number="10">ምእንቲ ኽትልመልካዶ ንጐባይ ትፀምዶ ኢኻ? ወይ ከዓ ኣብ ሕሩስዶ ደድሕሬኻ ይጕልጉል እዩ?</verse>
				<verse number="11">ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝኾነዶ ትእመኖ ኢኻ? ተግባርካኸ ንእኡ ትሓድግ ዲኻ?</verse>
				<verse number="12">እኽልኻ ኽእክበልካ፥ ካብ ዓውዲውን ከእትወልካዶ ተኣምኖ ኢኻ?”</verse>
				<verse number="13">“ሰገን ንኣኽናፋ ብሓጐስ ተንገብግቦ እያ፤ ክንፋን ክንቲታን ግና ኸም ራዛ ኣይነፍርን።</verse>
				<verse number="14">እንቍላሊሓ ኣብ ምድሪ ተውድቕ፤ በቲ ሙቐት ሑፃ ድማ ተሙቖ።</verse>
				<verse number="15">‘እግሪ ከይጭፍልቐለይ፥ ኣራዊትውን ከይረግፀለይ’ ኢላ ኣይትሓስብን።</verse>
				<verse number="16">ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትቘፅሮ፤ ፃዕረይ ከንቱ ኸይኸውን ኢላ ድማ ኣይትግደስን።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ጥበብ ስለ ዝኸልከላን ምስትውዓልውን ስለ ዘይዓደላን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንላዕሊ፥ ልዕል ልዕል ምስ በለት፥ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም።”</verse>
				<verse number="19">“ንፈረስ ሓይሊ ሂብካዮ ዲኻ? ንኽሳዱኸ ጋማ ኣልቢስካዮ ዲኻ? ከም ኣንበጣኸ ኣፈናጢርካዮ ዲኻ?</verse>
				<verse number="20">ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? እቲ ዕቡይ ኵርፍታኡ ዘፍርሕ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ጐልጐል ብሸዀናኡ እናፃሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፤ ናብ ውግእውን ክገጥም ይወፅእ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ልዕሊ ፍርሓት ይስሕቕ፤ ኣይድንግፅንውን፤ ካብ ሰይፊ ድማ ድሕር ኣይብልን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ዝባኑ ናይ ፍላፃ ጕልድባ፥ ብልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።</verse>
				<verse number="24">ብጭካነን ብቝጥዓን ንመሬት ይውሕጣ፤ መለኸት ክንፋሕ እንተሎ ኣይቐውምን።</verse>
				<verse number="25">መለኸት እንትሰምዕ ይሕምሕም፤ ንውግእን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ የጫንዎ፤ ንፈኸራ ኣሕሉቑ ኻብ ርሑቕ ይሰምዖ።”</verse>
				<verse number="26">“ሊሎ ንላዕሊ ዝመጥቕ፥ ኣኽናፉውን ንደቡብ ኣቢሉ ዝዝርግሕኸ፥ ብጥበብካ ድዩ?</verse>
				<verse number="27">ንስሪ ንላዕሊ ዝዓርግ፥ ቤቱውን ኣብ በሪኽ ዝሰርሕኸ ብትእዛዝካ ድዩ?</verse>
				<verse number="28">ኣብ ገደል ይነብር፤ ኣብ ገምገም ገደልን ኣብ ፀግዑን ይሓድር፤</verse>
				<verse number="29">ኣብኣ ኾይኑ ዝንጠቕ የማዕዱ፤ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።</verse>
				<verse number="30">ጫቚታቱ ደም ይሰትዩ፤ ኣብቲ ገምብታት ዘለውዎ፥ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ኢዮብ፥ ብሓቂ፥ ዝማጐት ሰብ፥ ምስቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄርዶ ይማጐት እዩ? እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝማጐት ንሱ ይመልሰሉ።”</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦</verse>
				<verse number="4">“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤ እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ? ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤ ሕዚ ግና ኣይምልስን እየ፤ ኣነ ኽልተ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤ ግና ኣይደግምን እየ።”</verse>
				<verse number="6">መሊሱ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ፥ ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ እምበኣር ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።</verse>
				<verse number="8">ንርእስኻ ምእንቲ ኽተፅድቕ ንፍርደይ ከንቱ ኽትገብሮ፥ ንኣይ ድማ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="9">ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ? ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="10">እምበኣርከስ ክብረትን ልዕልናን ተሸለም፤ ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ።</verse>
				<verse number="11">ዕቡይ ንዝኾነ ዅሉ ኣትኲርካ ረአዮ እሞ፥ ቍጥዓኻ ኣፍሲስካ ኣዋርዶ።</verse>
				<verse number="12">እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤ ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።</verse>
				<verse number="13">ንዅሎም ብሓድነት ኣብ ምድሪ ሰውሮም፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣነ የማነይቲ ኢድካ፥ ክተድሕነካ ኸም እትኽእል ክምስክረልካ እየ።”</verse>
				<verse number="15">“ነቲ ምሳኻ ዝፈጠርኩዎ፥ ብሄሞት ረአዮ፤ ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ፤</verse>
				<verse number="16">እንሆ ድማ፥ ሓይሉ ኣብ ሕቘኡ፥ ምብርታዑ ኣብ ጅማት ከብዱ እዩ ዘሎ።</verse>
				<verse number="17">ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይነንዎ፤ ጅማውቲ ሰለፉውን ፅኑዕ ትንጎ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣዕፅምቱ ኸም ነሃስ ሓያል እዩ፤ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓፂን እዩ።”</verse>
				<verse number="19">“ንሱ ኣውራ ፍጥረት እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰራሒኡውን ሰይፉ ሃቦ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ዅለን እንስሳ በረኻ ዝፃወታሉ እምባ፥ ዝብላዕ ሳዕሪ የብቍለሉ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣእዋም ለጥ ይብል፤ ኣብ ውሽጢ ሰልሰላን ረግረግን ድማ ይድቅስ።</verse>
				<verse number="22">ፅላል ዘለዎ ኦም ብፅላሉ ይስውሮ፤ ኣእዋም ሩባ ዂሓውን ይኸብዎ።</verse>
				<verse number="23">ውሕጅ ብሓይሊ ደፊኡ እንተ መፀ እኳ ኣይድንግፅን፤ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፉ እንተ መልአውን ኣይሰግእን።</verse>
				<verse number="24">ኣዒንቱ እናረአያዶ ይተሓዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰንቀል ዘእትወሉኸ መን እዩ?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">“ነቲ ሓርገፅ ዝበሃል ኣራዊት ባሕሪ ብመቝለብ ክተውፅኦ፥ ንመልሓሱ ኸዓ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="2">ወይ ናብ ኣፍንጫኡ ሰንቀ ኽተእትወሉ፥ ንምንጋጋኡ ድማ ብመቝለብ ክተንኵሎዶ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="3">ወይ ብሓቂ ኻባኻዶ ኣብዚሑ ይልምን እዩ? ብጥዑም ቃል ይዛረበካ ድዩ?</verse>
				<verse number="4">ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፥ ምሳኻዶ ኺዳን ዝኣቱ ይመስለካ?</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ምስ ዒፍ እትፃወት፥ ምስኡ ትፃወት ዲኻ? ወይ ነግራድካ መፃወቲ ኽትኣስሮ እትኽእልዶ ይመስለካ?</verse>
				<verse number="6">ኣስገርቲዶ ብእኡ ይከራኸሩ እዮም? ወይ ከዓ ነጋዶ የካፍልዎ ድዮም?</verse>
				<verse number="7">ንቘርበቱ ብኲናት፥ ንባዕሉ ድማ ብመቓጥን ዓሳዶ ኽትመልኦ ትኽእል ኢኻ?</verse>
				<verse number="8">ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር፤ ነቲ ሰልፊ ድማ ዘክር፤ መሊስካውን ኣይትድገም።</verse>
				<verse number="9">እንሆ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ።</verse>
				<verse number="10">ንእኡ ኽቕስቅሶ ዝደፍር የለን፤ ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="11">እቲ ኣቐዲሙ ዝሃበኒ እሞ ኣነ ዝመልሰሉ መን እዩ? ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ናተይ እዩ።”</verse>
				<verse number="12">“ስለ ኣካላቱን ስለ ብርቱዕ ሓይሉን፥ ስለ ፅባቐ ሰብነቱን ስቕ ኣይብልን።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ላዕለዋይ ክዳኑ ኽቕንጥጦ ዝኽእል መን እዩ? ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምንጋጋኡ ኽኣቱ ዝኽእልከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="14">ንመዓፁ ገፁ ክኸፍት ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ጠንካራታት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፤ ከም ብፀቢብ ማሕተም ዝተጋጠሙ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ንስንሳቱ ተላጊቡ እዩ፤ ንፋስ እኳ ብመንጎኡ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ ዝተተሓሓዙ እዮም፤ ክፈልዮም ዝኽእልውን የለን።</verse>
				<verse number="18">ክህንጥስ እንተሎ ብርሃን የንፀባርቕ፤ ኣዒንቱውን ከም ወጋሕታ እየን።</verse>
				<verse number="19">ካብ ኣፉ ፋና ሓዊ ይወፅእ፤ ካብኡ ድማ ትንታግ ሓዊ ይነጥር።</verse>
				<verse number="20">ከም ዝፈልሕ ቍራዕን ከም ዝቃፀል ሸምበቆን፥ ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="21">እስትንፋሱ ንሕመት የጕህሮ፤ ካብ ኣፉውን ሃልሃልታ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሓድር፤ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ግርማ ይሰራሰር።</verse>
				<verse number="23">ስጋኡ ተደራሪቡ ዝገጠመ ስለ ዝኾነ፥ ሰብነቱ ፅኑዕ ዘይነቓነቕ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፤ ከም እምኒ መጥሓን ከዓ ፅኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ምስ ተልዓለ ጀጋኑ ይሽበሩ፤ ካብ ፍርሒ ዝተልዓለውን ይዓብዱ።</verse>
				<verse number="26">ሰይፊ ወይ ኲናት ወይ ፍላፃ ወይ መውግኢ እንተ ረኸብዎ ኣየሸንፍዎን።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ንሓፂን ከም ሓሰር፤ ንነሃስውን ከም ዝቘንቈነ ዕንፀይቲ ይቘፅሮ።</verse>
				<verse number="28">ፍላፃ ኣየህድሞን፤ እምኒ ወንጭፍውን ከም ሓሰር ኾይኑ ይስምዖ።</verse>
				<verse number="29">ንጐመድ ከም ብርዒ ይቘፅሮ፤ ኲናት እንተ ወርወሩሉ ድማ ይስሕቖም።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፤ ኣብ ጭቃ ኸዓ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሓድግ።</verse>
				<verse number="31">ንሱ ንቓላይ ከም ድስቲ የፍልሖ፤ ንባሕሪ ድማ ኸም ቍራዕ ሽቱ ይገብሮ።</verse>
				<verse number="32">ደድሕሪኡ ንመንገዲ የብርሆ፤ እቲ ቓላይ ድማ ሲበት ይመስል።</verse>
				<verse number="33">ከምኡ ኾይኑ ብዘይ ፍርሓት ዝተፈጠረ፥ ኣብ ምድሪ የለን።</verse>
				<verse number="34">ልዕል ንዝበለ ዅሉ ንዒቑ ይጥምቶ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ትዕቢተኛታትውን ንጉስ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦</verse>
				<verse number="2">“ኵሉ ምግባር ከም እትኽእልን፥ ነቲ ዝመደብካዮውን ኻብ ምግባር፥ ዝኽልክለካ ኸም ዘየለን ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="3">‘ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዘፀልምቶ መን እዩ?’ ብርግፅ ኣነ ዘየስተውዓልክዎን፥ ዘይፈለጥክዎን ብዛዕባ እቲ ንኣይ እምብዛ ዘገርም ነገርን ተናጊረ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">‘ክዛረበካስ ስምዐኒ፤ ኣነ ኽጥይቐካ፥ በይዛኻ ንስኻውን መልሰለይ።’</verse>
				<verse number="5">ምስማዕስ ብሰማዒት እዝኒ ሰሚዐ ነይረ፤ ሕዚ ግና ዓይነይ ሪኣትካ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ንኢዮብ እዙይ ምስ ተዛረቦ፥ ንኤልፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ በሎ፦ “ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ቍጥዓይ ነዲዱ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።”</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኤልፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ተቐበሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም ኣሕዋቱን ኵላተን ኣሓቱን ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፈተውቱን ድማ፥ ናብኡ መፂኦም፥ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጀራ በልዑ። ስለ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መከራታት ድማ ሓዘኑሉ፤ ኣፀናንዕዎውን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ቕርሺ ብሩርን ቀለበት ወርቅን ሃብዎ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ ቐዳማይ ሃብቱ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብሊፁ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣግማል፥ ሽሕ ፅምዲ ብዕራይ፥ ሽሕ ኣንስትዮ ኣእዱግ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="13">ከምኡውን ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወለዱሉ።</verse>
				<verse number="14">ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፥ ነታ ኻልአይቲ ቃስያ፥ ነታ ሳልሰይቲ ኣማልቶያስ ቂራስ ኢሉ ሰመየን።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ኵላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣጓላት ኢዮብ ዝበላ ምልኩዓት ኣይነበራን። ኣቦአን ድማ ምስቶም ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን።</verse>
				<verse number="16">ድሕሪዙይ ኢዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ደቁን ደቂ ደቁንውን ክሳዕ ኣርባዕተ ትውልዲ ረአየ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪዙይ ኢዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="19">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እኳ ደኣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ክፉኣት ብፍርዲ፥ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ፃድቃን ኣይቖሙን እዮም።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣህዛብ ስለ ምንታይ እዮም ዘጕረምርሙ? ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ?</verse>
				<verse number="2">ነገስታት ምድሪ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ሓበሩ፤ ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦</verse>
				<verse number="3">“ንመእሰሪኦም ንብተኮ፤ ንገመዳቶምውን ካባና ንደርብዮ” በሉ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ይስሕቖም፤ ጐይታ ድማ የባጭወሎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፤ ብመዓቱ ኸዓ ይህውኾም።</verse>
				<verse number="6">“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”</verse>
				<verse number="7">“ትእዛዛቱውን እናገር ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር በለኒ፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።</verse>
				<verse number="8">ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻ ኸዓ ብበትሪ ሓፂን ክትሕልዎም፥ ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።”</verse>
				<verse number="10">ሕዚ እውን ኣቱም ነገስታት፥ ኣስተውዕሉ፤ ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን ተገሰፁ።</verse>
				<verse number="11">ንእግዚኣብሄር ብፍርሓት ተገዝእዎ፤ ብረዓድ ድማ ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="12">ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤ ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ዘጭንቑለይ ክንደይ ይበዝሑ! ክንደይከ እዮም ኣባይ ዝለዓሉ!</verse>
				<verse number="2">ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መፀግዕየይ ኢኻ፤ ክብረይን ንርእሰይውን ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ሃረስኩ፤ ደቀስኩውን፤ እግዚኣብሄር ደጊፉኒ እዩሞ ነቓሕኹ።</verse>
				<verse number="6">ካብቶም ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሕን እየ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ ተስእ፤ ኦ ኣምላኸይ ኣድሕነኒ፥ ንስኻ ንምንጋጋ ዅሎም ፀላእተይ ወቒዕኻ ኢኻሞ፥ ነስናን ክፉኣት ሰባትውን ሴርካ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="8">ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤ ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤ መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ደቂ ሰብ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ልብኹም እተኽብዱ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ኸንቱ ነገር እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን?</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።</verse>
				<verse number="5">መስዋእቲ ፅድቂ ሰውኡ፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ተኣመኑ።</verse>
				<verse number="6">“ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም፤ ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።”</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልበይ ታሕጓስ ኣሕደርካ፤ ካብ ፍረ ስርናይን ወይንን ዘይትንውን እምብዛ በዝሐ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንቓለይ ኣድምፅ፤ ንጥርዓነይውን ኣስተብህል።</verse>
				<verse number="2">ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ናባኻ እፅሊ ኣለኹ እሞ፥ ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ኽፍኣት ዘይትፈቱ ኣምላኽ ኢኻ፤ ክፉእ ድማ ምሳኻ ኣይሓድርን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብኸንቱ ዝምክሑ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይነብሩን፤ ንዅሎም ገበርቲ ዓመፅ ፀላእኻ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ ሓሰት ንዝዛረቡ ተጥፍኦም፤ እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ኽኣቱ እየ፤ ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ምእንቲ ፀላእተይ ብፅድቅኻ ምርሐኒ፤ መንገደይውን ኣብ ቅድሜኻ ኣቕንዐለይ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኣንደበቶም ሓቂ የለን፤ ልቦምውን ከንቱ እዩ፤ ጐሮሮኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብመልሓሶምውን ይጥብሩ።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኾንኖም፤ ንሳቶም ኣብቲ ዝኣለምዎ ምኽሪ ይውደቑ፤ ከም ብዝሒ በደሎም ኣሳጕጎም፤ ኣብ ልዕሌኻ ዓሚፆም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም ብኣኻ ዝእመኑ ግና ክሕጐሱ እዮም፤ ንዘለኣለም ደስ ክብሎም እዩ፤ ንኣኣቶምውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኵሎም ንስምካ ዘፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ክምክሑ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።</verse>
				<verse number="3">ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ተመለስሞ ንነፍሰይ ኣድሕና፤ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="5">ብሞት ዝዝክረካ የለን፤ ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ?</verse>
				<verse number="6">ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።</verse>
				<verse number="7">ዓይነይ ካብ ቍጡዕ ንብዓት ዝተልዓለ ተሃወኸት፤ ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ልመናይ ሰምዐ፤ እግዚኣብሄር ንፀሎተይ ከዓ ተቐበለ።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም ፀላእተይ ይሕፈሩን ይዋረዱን፤ ንድሕሪት ይመለሱ፤ ቀልጢፎምውን ይሕፈሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ተኣመንኩ፤ ካብ ኵሎም ዝኸቡኒ ኣድሕነኒ፤ ኣናግፈኒውን።</verse>
				<verse number="2">ዘድሕንን ዘናግፍን ኣብ ዘይብሉ፥ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ከምዙይ ገይረ እንተ ደኣ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="4">ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥ ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥ ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥</verse>
				<verse number="5">ፀላኢ ንነፍሰይ የሳጕጓ፤ ይርከባውን፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ይርገፃ፤ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዳ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ ብመዓትካ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ብቝጥዓ ተልዓል፤ ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ።</verse>
				<verse number="7">ጉባኤ ኣህዛብውን ክኸበካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ተመለስ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ብኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ፅድቀይ ፍረደለይ፤ ከም ለዋህነተይውን ይኹነለይ።</verse>
				<verse number="9">ክፍኣት ሓጥኣን ይጥፋእ፤ ንፃድቃን ግና ኣቕንዓዮም፤ እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ናይ ፅድቂ ዋልታይ እዩ፤ ንሱ ንቕኑዓት ልቢ የድሕኖም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፈራዲ እዩ፤ ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን።</verse>
				<verse number="12">እንተ ዘይተመሊስኩም ግና፥ ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን።</verse>
				<verse number="13">ናይ ሞት ኣፅዋርውን ኣዳለወሉ፤ ፍላፃታቱውን ከም ዝቃፀሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ ዓማፂ ብዓመፃኡ ተጨነቐ፤ ጕድኣት ጠነሰ፥ ሓጢኣትውን ወለደ።</verse>
				<verse number="15">ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥ ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="16">ጕድኣቱ ናብ ባዕሉ ይምለስ፤ ዓመፃኡውን ኣብ ናላኡ ትወርድ።</verse>
				<verse number="17">ንእግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቁ ኸመስግኖ እየ፤ ንስም ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ኽዝምር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ኦ ጐይታና! ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="5">ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።</verse>
				<verse number="7">ንዅላተን ኣባጊዕን ከፍትን፥ ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥</verse>
				<verse number="8">ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ።</verse>
				<verse number="9">ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ኵሉ ዝገበርካዮ ተኣምራትውን ክነግር እየ።</verse>
				<verse number="2">ብኣኻ ደስ ይብለንን እሕጐስን እየ፤ ኦ ልዑል፥ ንስምካ ኽዝምር እየ።</verse>
				<verse number="3">ፀላእተይ ንድሕሪት ምስተመለሱ፥ ሰንከልከል ኢሎም ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ፍርደይን በቐለይን ጌርካለይ ኢኻሞ፥ ሓቂ እናፈረድካ ኣብ ዙፋንካ ተቐመጥካ።</verse>
				<verse number="5">ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንኽፉኣት ከዓ ኣጥፋእኻዮም፤ ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።</verse>
				<verse number="6">ፀላእቲ ብዂናት ንሓዋሩ ጠፍኡ፤ ከተማታቶም ኣፍረስካ፤ መዘከርታኦምውን ብሓባር ጠፍአ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ዙፋኑውን ንፍርዲ ኣዳለወ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ንዓለም ብፅድቂ ይፈርዳ፤ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ንድኻታት መፀግዒ ኾኖም፤ ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ፤ ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ደሞም ዝመራመር ንሱ ሓሲቡ እዩሞ፤ ኣውያት ነዳያንውን ኣይረስዐን እዩሞ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ራህርሀለይ፤ ነቲ ፀላእተይ ዘምፅኡለይ ዘለዉ መከራውን ተመልከት፤ ካብ በርታት ሞት ልዕል ልዕል እተብለኒ፥</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ምስጋናኡውን ኣብ በርታት ጓል ፅዮን ምእንቲ ኽናገር፤ ብምድሓንካውን እሕጐስ።</verse>
				<verse number="15">ኣህዛብ ናብታ ዝዀዓትዋ ጕድጓድ ወደቑ፤ በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ከዓ እግሮም ተትሓዘ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምፍራድ ዝተፈለጠ እዩ፤ ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ።</verse>
				<verse number="17">ሓጥኣን ናብ ሲኦል ክምለሱ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ዝረስዕዎ ዅሎም ኣህዛብውን።</verse>
				<verse number="18">ድኻ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩሞ፤ ተስፋ ፅጉማትውን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ሰብ ኣይበርትዕ፤ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዶም።</verse>
				<verse number="20">ኦ ጐይታ፥ ፍርሓት ኣሕድረሎም፤ ኣህዛብውን ሰብ ምዃኖም ይፍለጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?</verse>
				<verse number="2">ብትዕቢት ሓጥእ፥ ድኻ ይናደድ፤ ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ።</verse>
				<verse number="3">ሓጥእ ብትምኒት ነፍሱ ይውደስ፤ ንዓማፂውን ይባርኽ።</verse>
				<verse number="4">ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤ ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤ ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤ ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።</verse>
				<verse number="6">ብልቡ “ከቶ ኣይናወፅን፤ ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል።</verse>
				<verse number="7">ኣፉ መርገምን ጥበራን ተንኰልን ዝመልአ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ናይ ዓድታት መድበዪ ተሓቢኡ ይፀናቶ፤ ንንፁህ ብሕቡእ ምእንቲ ኽቐትል፤ ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ።</verse>
				<verse number="9">ከም ኣንበሳ ኣብ ፅዑቕ ዱር ብስዉር የድቢ፤ ንድኻውን ክነጥቆ ይፃናቶ፤ ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ።</verse>
				<verse number="10">ድኻ ይዋረድ፥ ይጐብጥ፤ ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤ ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።</verse>
				<verse number="12">ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤ ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤ ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።</verse>
				<verse number="13">ሓጢኣተኛ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ? ብልቡ “ኣይመራመረንን” ይብል እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥ ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤ ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥ ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።</verse>
				<verse number="15">ቅልፅም ሓጢኣተኛን ክፉእን ስበር፤ ከምቲ ዝገበሮውን ናይ ኢዱ ሃቦ፤ ደጊሙ ኸም ዘይብድልውን ግበሮ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ፤ ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤ እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።</verse>
				<verse number="18">ፍርዱ ንድኻን ንደኽታምን እዩ፤ ደጊም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣፎም ልዕል ልዕል ምባል ከይደግሙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኣነ ኣብ እግዚኣብሄር ተዓቚበ ኣለኹ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንነፍሰይ ከም ዒፍ ናብ እምባታት፥ ብረሪ ትብልዋ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="2">“ንቕኑዓት ልቢ ብስውር ምእንቲ ኽወግእዎም፥ እንሆ ኽፉኣት ሰባት ቀስቶም ገቲሮም፥ ንፍላፃኦምውን ኣብ መንትግ ኣዳልዮም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ንስኻ ዝሰራዕኻዮ ንሳቶም ኣፍረሱ፤ ፃድቕከ እንታይ ገበረ?”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዙፋኑ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣዒንቱ ናብ ድኻ ይጥምታ፤ ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ንፃድቕን ንሓጥእን ይምርምር፤ ንዓመፅ ዝፈትዋ ግና ንነፍሱ ፀልኣ።</verse>
				<verse number="6">መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩሞ፥ ፅድቂ ኸዓ ይፈቱ፤ ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ሕያዋይ ተስኢኑ፤ ካብ ደቂ ሰብውን ምትእምማን ጐዲሉ እዩሞ፥ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="2">ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”</verse>
				<verse number="6">ቃል እግዚኣብሄር ንፁህ ቃል እዩ፤ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝተፈተነ ሸውዓተ ሻዕ ዝተፃረየ ብሩር እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር ንስኻ ሓልወና፤ ካብዛ ትውልዲ እዚኣውን ንዘለኣለም ኣናግፈና።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ክፍኣት ልዕል ልዕል ምስ በለ፤ ዓመፅቲ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ይመላለሱ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል?</verse>
				<verse number="2">ክሳዕ መኣዝ እየኸ ብነፍሰይ ዝጭነቕ? ክሳዕ መኣዝከ እየ ዅልሻዕ ዝሓዝን? ፀላእተይከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ?</verse>
				<verse number="3">ፀላእተይ ስዒርናዮ ኸይብሉ፥ ኦ ኣምላኸይ፥ ተመልከተኒ ስምዐኒውን፤</verse>
				<verse number="4">እቶም ዘጨንቑኒውን ብምንዋፀይ ደስ ከይብሎም፥ ናይ ሞት ድቃስ ከይድቅስ ነዒንተይ ኣብርሃየን።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣለኹ፤ ልበይውን ብምድሓንካ ይሕጐስ።</verse>
				<verse number="6">ንዝረድአኒ እግዚኣብሄር፥ አመስግን ኣለኹ፤ ንስም ልዑል እግዚኣብሄርውን እዝምር ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤ ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።</verse>
				<verse number="3">ኵላቶም ዓመፁ፤ ሓቢሮምውን ረኸሱ፤ ሰናይ ዝገብር ሰብ የለን፤ ሓደ እኳ የለን። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖምውን ይሽፍጡ። ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤ ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤ ኣብ መንገዶም ሓሳርን ጥፍኣትን ኣሎ፤ ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን እዮም፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ? ኵሎም እቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ብሓቂ ኣይፈልጡን ድዮም? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።</verse>
				<verse number="5">ኣብኡ ብዓብዪ ፍርሓት የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ትውልዲ ፃድቃን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ንምኽሪ ድኻታት ኣሕፈርኩም፤ ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ፅዮን ንእስራኤል መድሓኒት መን ይህብ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ይብሎ፤ እስራኤልውን ይሕጐስ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ እምባኻ ዝነብርከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="2">እቲ ብቕንዕና ዝመላለስ፥ ፅድቂ ዝገብር፥ ብልቡውን ሓቂ ዝዛረብ፥</verse>
				<verse number="3">ብልሳኑ ዘይጥብር፥ ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥</verse>
				<verse number="4">ክፉእ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዝተንዓቐ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ዘኽብር፥ ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥</verse>
				<verse number="5">ገንዘቡ ብሃረፃ ዘየለቅሕ፥ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ጉቦ ዘይቕበል፤ እቲ ኸምዙይ ዝገብር ንዘለኣለም ኣይህወኽን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ! ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ ሓልወኒ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር፥ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ በልኩ፤ ብዘይ ዘኣኻ ሰናይ የብለይን።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ፍቓድካ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ካልኦት ንዝፈጥኑ መከራኦም ብዙሕ እዩ፤ ኣነ ንናይ ቍርባኖም ደም ኣየፍስስን፤ ስማቶምውን ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤ ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤ ርስተይውን ፀበቐትለይ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ዝመኽረኒ እግዚኣብሄር እባርኾ፤ ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ።</verse>
				<verse number="8">ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ ኣለኹ፤ ብየማነይ ስለ ዘሎ ድማ ኣይህወኽን።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ልበይ ደስ በሎ፤ ኣንደበተይውን ዕልል በለ፤ ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።</verse>
				<verse number="10">ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥ ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ፅድቀይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ኣድምፅ፤ ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="2">ፍትሐይ ካብ ገፅካ ይውፃእ፤ ኣዒንትኻውን ብቕንዕና ይርኣያ።</verse>
				<verse number="3">ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤ ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።</verse>
				<verse number="4">ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።</verse>
				<verse number="5">ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ኣምላኽ፥ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ ናባኻ ኣእዌኹ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ዝኣምኑኻ፥ ካብ ዝቃወሙ ብየማንካ እተድሕኖም፥ እቲ ዘደንቕ ሕያዋይነትካ ግለፅ።</verse>
				<verse number="8">ካብቶም ዘጨንቑኒ ኽፉኣት ሰባት፥ ካብቶም ንነፍሰይ ዝኸቡዋ ፀላእተይ፥ ከም መርዓት ዓይኒ ሓልወኒ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኣምዑቶም ብስብሒ ቛፀሩ፤ ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ እውን ስጉምትና ኸበቡ፤ ኣዒንቶምውን ናብ ምድሪ ትሕት ትሕት ኣበሉ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ምምንዛዕ ከም ዝሃርፍ ኣንበሳ፥ ከምቲ ብሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ተልዓል ኣቐዲምካ ናብ ታሕቲ ደርብዮ፤ ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣተኛ ብሰይፍኻ ኣድሕና።</verse>
				<verse number="14">ኦ ጐይታ፥ ካብ ሰባት፥ ተስፋኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ ካብ ዝኾነ ሰባት፥ ብኢድካ ኣድሕነኒ፤ ካብቲ ዝሰወርካዮ መዝገብካ ከብዶም ኣፅገብካ፤ ደቆምውን ብዙሓት እዮም፤ እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥ መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ምስጋና ንዝግብኦ እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ፤ ካብ ፀላእተይውን ክድሕን እየ።</verse>
				<verse number="4">ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤</verse>
				<verse number="5">ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤ መፈንጠር ሞት ኣርከበኒ።</verse>
				<verse number="6">ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹዎ፤ ናብ ኣምላኸይውን ኣእዌኹ፤ ካብ መቕደሱውን ድምፀይ ሰምዐ፤ ገዓረይውን ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣእዛኑ ኣተወ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።</verse>
				<verse number="9">ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ በኽናፍ ንፋስ ከዓ በረረ።</verse>
				<verse number="11">መሰወሪኡ ድማ ፀልማት ገበረ፤ ኣብ ዙርያኡውን ድንኳኑ ገበረ፤ ኣብ ውሽጢ ደመናት ናይ ፀልማት ማይ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ገፁ ኻብ ዘሎ ነፀብራቕ ዝተልዓለ፥ ደመናን በረድን ጓህሪ ሓዊን ሓለፉ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።</verse>
				<verse number="14">ፍላፃታቱ ወርዊሩ በተኖም፤ ብርቱዕ መብረቕ ሰዲዱውን ሃወኾም።</verse>
				<verse number="15">ኦ ጐይታ፥ ካብ ቍጥዓኻ፥ ካብ እስትንፋስ መንፈስ መዓትካውን ዝተልዓለ፥ ዓይኒ ማያት ተርኣዩ፤ መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ካብ ኣርያም ኢዱ ዘርጊሑ ሓዘኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="17">ካብቶም ብርቱዓት ፀላእተይ፥ በርቲዖምኒ ነይሮም እዮምሞ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="18">ብመዓልቲ መከራይውን በፅሑኒ፤ ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ።</verse>
				<verse number="19">ናብ ሰፊሕ ቦታውን ኣውፅአኒ፤ ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ክኸፍለኒ እዩ፤ ከም ንፅህና ኢደይውን ክፈድየኒ እዩ።</verse>
				<verse number="21">መንገዲ እግዚኣብሄር ሓሊየ እየሞ፤ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።</verse>
				<verse number="22">ኵሉ ፍርዱ ኣብ ቅድመይ እዩሞ፤ ስርዓታቱውን ካባይ ኣየርሓቕኩን።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ተዓቀብኩ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቀይ፥ ክህበኒ እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ከም ንፅህና ኢደይ ክፈድየኒ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ምስ ፃድቕ፥ ፃድቕ ትኸውን፤ ምስ ቕኑዕ፥ ቅኑዕ ትኸውን።</verse>
				<verse number="26">ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ትኸውን፤ ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ትኸውን።</verse>
				<verse number="27">ንስኻ ንጥቑዕ ህዝቢ ተድሕኖ ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ትዕቢተኛታት ግና ተዋርዶ።</verse>
				<verse number="28">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ተብርህ፤ ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፥ ንፀልማተይ የብርህ።</verse>
				<verse number="29">ብኣኻ ኻብ ጥፍኣት እድሕን፤ ብኣምላኸይውን ንቕፅሪ እዘሎ።</verse>
				<verse number="30">መንገዲ ኣምላኸይ ፍፁም እዩ፤ ቃል እግዚኣብሄር ፅሩይ እዩ፤ ንሱ ነቶም ንእኡ ዝእመኑ ዅሎም ዋልታኦም እዩ።</verse>
				<verse number="31">ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ?</verse>
				<verse number="32">ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ፤</verse>
				<verse number="33">ነእጋረይ ከም እግሪ ሰስሓ ዘፅንዐን፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ፥ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="34">ነእዳወይ ውግእ ይምህረን፤ ንቐላፅመይውን ቀስቲ ነሃስ ገበረን።</verse>
				<verse number="35">ንድሕነተይውን መተኣማመኒ ሂብካኒ፤ የማነይትኻውን ትድግፈኒ፤ ትምህርትኻውን ንዘለኣለም የፅንዐኒ፤ ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ንኣካይዳይ ኣብ ትሕተይ ኣስፋሕኻለይ፤ ኣእጋረይውን ኣይተሰናኸላን።</verse>
				<verse number="37">ንፀላእተይ ከሳጕጎም፤ ክሕዞምውን እየ፤ ክሳዕ ዘጥፍኦምውን ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="38">ከጨንቖም እየ፤ ምቛምውን ኣይኽእሉን፤ ኣብ ትሕቲ እግረይ ክወድቑ እዮም።</verse>
				<verse number="39">ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ፤ ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም።</verse>
				<verse number="40">ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም።</verse>
				<verse number="41">ዝረድኦም ደልዮም ኣእወዩ፤ ዘናግፎም ግና ኣይረኸቡን፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ኣእወዩ፤ ንሱውን ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="42">ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ዘሎ ሓመድ ክጥሕኖም እየ፤ ከም ጭቃ መንገዲውን ክረግፆም እየ።</verse>
				<verse number="43">ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።</verse>
				<verse number="44">ብእዝኒ ሰሚዖም ተገዝኡለይ፤ ደቂ ጓና እናሰገዱ ናባይ መፁ።</verse>
				<verse number="45">ደቂ ጓና ኣረጉ፤ ብመንገዶምውን ተሰናኸሉ።</verse>
				<verse number="46">እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።</verse>
				<verse number="47">እቲ በቐለይ ዝምልሰለይ ኣምላኽ፤ ንኣህዛብውን ኣብ ትሕተይ ከግዝአለይ እዩ።</verse>
				<verse number="48">ካብ ፀላእተይ ዘናግፈኒ ንሱ እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝቖሙ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤ ካብ ገፋዒ ሰብ ተድሕነኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="49">ኦ ጐይታ ስለዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ።</verse>
				<verse number="50">ዓብዪ ድሕነት ንንጉስ ይገብረሉ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ንዳዊትን ንዘርኡን ክሳዕ ዘለኣለም ይህብ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤ ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።</verse>
				<verse number="2">መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤ ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።</verse>
				<verse number="3">ዘረባ የለን፤ ምንጋርውን የለን። ድምፆምውን ኣይስማዕን።</verse>
				<verse number="4">ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ፥ ቃላቶምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም ወፀ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ውሽጦም ናይ ፀሓይ ድንኳን ገበረ፤ ንሱ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ይወፅእ፤ ከም ሃርበኛ ብመንገዲ ንምጕያይ ደስ ይብሎ።</verse>
				<verse number="6">ኣወፃፅኣኡ ኻብ ወሰን ሰማይ እዩ፤ ምዝዋሩ ኸዓ ኽሳዕ ወሰን ዓለም እዩ፤ ካብ ረስኑውን ዝኽወል የለን።</verse>
				<verse number="7">ሕጊ እግዚኣብሄር ፍፁም እዩ፤ ንነፍሲውን ይምልስ፤ ምስክርነት እግዚኣብሄር እሙን እዩ፤ ንህፃናት ጠቢባን ይገብሮም።</verse>
				<verse number="8">ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ንልቢ የሕጕስ፤ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብሩህ እዩ፤ ንዓይኒ የብርህ።</verse>
				<verse number="9">ንእዚኣብሔር ምፍራሕ ንፁህ እዩ፤ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርዲ እግዚኣብሄር ሓቅን ቅንዕናን ብሓደ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ካብ ወርቅን ካብ ዝኸበረ ዕንቍን ይፍቶ፤ ካብ መዓርን፥ ካብ ወለላ መዓርን ድማ ይጥዕም።</verse>
				<verse number="11">ባርያኻ ድማ ይሕልዎ፤ ብምሕላዉውን ብዙሕ ይጥቀም።</verse>
				<verse number="12">ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።</verse>
				<verse number="13">ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይገዝአኒ ንኣይ ንባርያኻ ሓልወኒ፤ ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ።</verse>
				<verse number="14">ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ብመዓልቲ መከራኻ እግዚኣብሄር ይስማዕኻ፤ ስም ኣምላኽ ያእቆብውን የቑምካ።</verse>
				<verse number="2">ካብ መቕደሱ ረድኤት ይልኣኸልካ፤ ካብ ፅዮን ድማ የፅንዕኻ።</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ ቝርባንካ ይሕሰበልካ፤ ንዝቃፀል መስዋእትኻ ድማ የለምልመልካ።</verse>
				<verse number="4">ከም ልብኻ ይሃብካ፤ ኵሉ ፈቓድካውን ይፈፅመልካ።</verse>
				<verse number="5">ብምድሓንካ ደስ ይብለና፤ ብስም ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና፤ ንዅሉ ልመናኻ እግዚኣብሄር ይፈፅመልካ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ነቲ ዝቐብኦ ኸም ዘድሓኖ ሎሚ ፈለጥኩ፤ ብዘድሕን ሓይሊ የማኑ፥ ካብ ሰማይ መቕደሱ ይምልሰሉ።</verse>
				<verse number="7">ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤ ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ሰንከልከል ኢሎም ወደቑ፤ ንሕና ግና ተሳእና፤ ፀኒዕናውን ቆምና።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ንንጉስ ኣድሕኖ፤ በታ እንፅውዐካ መዓልቲ እውን ስምዐና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ! ንጉስ ብሓይልኻ ደስ ይብሎ፤ ብምድሓንካውን የመና ደስ ይብሎ።</verse>
				<verse number="2">ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፤ ልመና ኸናፍሩውን ኣይከላእኻዮን።</verse>
				<verse number="3">ብብዙሕ በረኸት በፃሕኻሉ፤ ብኽቡር ዕንቍ ዝኾነ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፋእኻሉ።</verse>
				<verse number="4">ህይወት ለመነካ፤ ንነዊሕ ዘመን ንዘለኣለም ሃብካዮ።</verse>
				<verse number="5">ብምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፤ ክብርን ምስጋናን ወሰኽካዮ።</verse>
				<verse number="6">ዘለኣለማዊ በረኸትውን ሂብካዮ ኢኻሞ፥ ብሓጐስ ገፅካ ኣሐጐስካዮ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ተኣማሚኑ እዩ እሞ፥ ብልዑል ምሕረትውን ኣይናወፅን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኢድካ ንዅሎም ፀላእትኻ ትርከቦም፤ የማነይቲኻውን ንዅሎም ዝፀልኡኻ ትራኸቦም።</verse>
				<verse number="9">ምስ ተቘጣዕኻ ድማ ኸም ሓዊ እቶን ግበሮም፤ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኸጥፍኦም እዩ፤ ሓዊ ድማ ኽበልዖም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ንፍረኦም ካብ ምድሪ፥ ንዘርኦም ድማ ኻብ ማእኸል ደቂ ሰብ ክተጥፍእ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ልዕሌኻ ኽፍኣት ዘርጊሖም እዮምሞ፤ ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ።</verse>
				<verse number="12">ንድሕሪት ትመልሶም፤ ቀስትኻ ናብ ገፆም ኣቢልካ ኽተዳሉ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ብሓይልኻ ልዕል ልዕል በል! ንፅንዓትካውን ክነመስግንን ክንዝምርን ኢና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ? ንኣይ ካብ ምድሓን፥ ካብ ቃል ገዓረይውን ርሑቕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ኣምላኸይ፥ ብመዓልቲ ናባኻ እጠርዕ፥ ግና ኣይመለስካለይን፤ ብለይቲ እኳ ዕረፍቲ የብለይን።</verse>
				<verse number="3">ብእስራኤል ዝተመስገንካ ንስኻ ግና፥ ብቕድስና ትነብር።</verse>
				<verse number="4">ኣቦታትና ኣባኻ ተኣመኑ፤ ተኣመኑ፤ ንስኻውን ኣናገፍካዮም።</verse>
				<verse number="5">ናባኻ ኣእወዩ፤ ኣምለጡውን፤ ኣባኻውን ተኣመኑ፤ ኣይሓፈሩንውን።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ግና ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን፤ ናይ ሰብ መላገፂ ብህዝቢ እውን ዝተንዓቕኩ እየ።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ዝሪኡኒ የባጭዉለይ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ብኸናፍሮም፦ “ኣብ እግዚኣብሄር ተኣማመነ፤ እስኪ የናግፎ፤ እንተ ፈትዩዎስ እስኪ የድሕኖ” ይብሉ።</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ግና ንስኻ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ፤ ኣብ ጡብ እኖይ እንተለኹውን ኣባኻ ተዓቘብኩ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣባኻ ተደርበኹ፤ ካብ ከብዲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ዝረድአኒውን የለንሞ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።</verse>
				<verse number="12">ብዙሓት ኣብዑር ከበቡኒ፤ ስቡሓት ሽደናትውን ሓዙኒ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ዝምንዝዕን ዝጓዝምን ኣንበሳ፥ ኣብ ልዕለይ ኣፎም ከፈቱ።</verse>
				<verse number="14">ከም ማይ ፈሰስኩ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ተፈላለየ፤ ልበይ ከም ሽምዒ ኾነ፤ ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ።</verse>
				<verse number="15">ሓይለይ ከም ገልዒ ነቐፀ፤ ልሳነይ ኣብ ትሕናገይ ጠበቐ፤ ናብ መሬት ሞትውን ኣውረድካኒ።</verse>
				<verse number="16">ብዙሓት ኣኽላባት ከቢቦምኒ እዮም እሞ፥ ማሕበር ክፉኣትውን ሓዙኒ፤ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ።</verse>
				<verse number="17">ኵሎም ኣዕፅምተይ ተቘፀሩ፤ ንሳቶምውን ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ።</verse>
				<verse number="18">ክዳውንተይ ንባዕላቶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ተዋደቑሉ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታይ! ንስኻ ግና ኻባይ ኣይትርሓቕ፤ ኣታ ሓይለይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።</verse>
				<verse number="20">ንነፍሰይ ካብ ሰይፊ ኣድሕና፤ ንብሕትነተይውን ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፤ ካብ ሓደ ዝቐርኑ ጐባይ ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="22">ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም እየ፤ ኣብ ማእኸል ማሕበርውን ከመስግነካ እየ።</verse>
				<verse number="23">“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ኣመስግንዎ፤ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ኵልኻትኩም ኣኽብርዎ፤ ኵልኻትኩም ዘርኢ እስራኤልውን፥ ፍርሕዎ።</verse>
				<verse number="24">ናይ ውፁዕ ሽግር ኣይነዓቐንሞ፥ ሸለልውን ኣይበለንሞ፤ ገፁውን ካባይ ኣይሰወረንሞ፥ ናብኡ ምስ ኣእዌኹውን ሰምዐኒ።”</verse>
				<verse number="25">ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ምስጋናይ ካባኻ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈርሕዎ መብፅዓይ ክህብ እየ።</verse>
				<verse number="26">ድኻታት በሊዖም ክፀግቡ እዮም፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎውን ከመስግንዎ እዮም፤ ልቦምውን ንዘለኣለም ህያው ይኸውን።</verse>
				<verse number="27">ኵሎም ወሰናት ምድሪ ይሕሰቡ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለሱ፤ ኵሎም ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሚኡ ክሰግዱ እዮም።</verse>
				<verse number="28">መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ኵሎም ተረርቲ ምድሪ ክበልዑን፥ ክሰግዱን እዮም፤ ኵሎም እቶም ናብ መሬት ዝወርዱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽንብርከኹ እዮም፤ ነፍሰይውን ስሌኡ ብህይወት ክትነብር እያ።</verse>
				<verse number="30">ዘርአይ ክግዝአሉ እዩ፤ ዝመፅእ ትውልዲውን ንእግዚኣብሄር ክነግር እዩ።</verse>
				<verse number="31">ፅድቁውን ነቲ ገና ዝውለድ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝገበሮን ፅድቁን ክነግሩ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፤ ዘስእነኒውን የለን።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።</verse>
				<verse number="3">ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ።</verse>
				<verse number="4">ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቅድመይ ማእዲ ኣዳለኻለይ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእኻ፤ ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">ሕያዋይነትካን ምሕረትካን፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክኽተሉኒ እዮም፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን ንዘለኣለም ክነብር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኣብ ባሕሪ መስሪቱዋ እዩሞ፥ ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ።</verse>
				<verse number="3">ናብ እምባ እግዚኣብሄር ዝድይብ መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ ዝቐውምከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣእዳዉ ዝነፅሃ፥ ልቡውን ንፁህ ዝኾነ፥ ነፍሱ ንኸንቱ ዘየልዓለ፥ ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር በረኸት ይረክብ፤ ካብ መድሓኒኡ ኣምላኽውን ምሕረት ይቕበል።</verse>
				<verse number="6">እዛ ትውልዲ እዚኣ ንእኡ እትደሊ እያ፤ ንገፅ ኣምላኽ ያእቆብውን ትደሊ።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም መኳንንቲ፥ በርታት ክፈቱ፤ ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤ እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።</verse>
				<verse number="8">እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ እዙይ መን እዩ? እግዚኣብሄር እዩ ብርቱዕን ሓያልን፤ እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ውግእ ሓያል።</verse>
				<verse number="9">ኣቱም መኳንንቲ በርታት ክፈቱ፤ ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤ እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ።</verse>
				<verse number="10">እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ መን እዩ? ናይ ሰራዊት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ናይ ክብሪ ንጉስ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ኣምላኸይ፥ ኣባኻ እእመን ኣለኹ፥ ኣይሕፈር፤ ፀላእተይውን በኣይ ኣይስሓቑ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ኣባኻ ተስፋ ዝገብሩ፥ ኣይሓፍሩን እዮም፤ እቶም ብኸንቱ ዝተናዀሉ ግና ኽሓፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ኣመልክተኒ፤ ኣሰርካውን መሃረኒ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ ብሓቅኻ ምርሐኒ፤ መሃረኒውን፤ ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካን ሕያዋይነትካን፥ ካብ ጥንቲ እየንሞ ዘክረን።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ፤ ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ሕያዋይን ቅኑዕን እዩ፤ ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ንየዋሃን ብፍርዲ ይመርሖም፤ ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥ ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።</verse>
				<verse number="12">ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።</verse>
				<verse number="13">ነፍሱ ኣብ ሰናይ ትሓድር፤ ዘርኡውን ንምድሪ ይወርስ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ነእጋረይ ካብ መፈንጠር የናግፈን እዩሞ፥ ኣዒንተይ ኵልሻዕ ናብ እግዚኣብሄር እየን።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ፥ ኣነ በይነይን ሽግረኛን እየሞ፥ ገፅካ ናባይ ግበር፤ መሓረኒውን።</verse>
				<verse number="17">ሽግር ልበይ ብዙሕ እዩ፤ ካብ ጭንቀተይ ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="18">ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።</verse>
				<verse number="19">ፀላእተይ ከም ዝበዝሑ ረአ፤ ብግፍዒውን ፀልኡኒ።</verse>
				<verse number="20">ንነፍሰይ ሓልዋ፤ ኣናግፈኒውን፤ ንኣኻ ተኣሚነ እየሞ ኣይሕፈር።</verse>
				<verse number="21">ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ እሞ፥ ተኣማንነትን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።</verse>
				<verse number="22">ኦ ጐይታ፥ ንእስራኤል ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሕኖ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣነ ብለውሃተይ እኸይድ ኣለኹሞ ፍረደለይ፤ ብእግዚኣብሄርውን ኣሚነ ኣለኹሞ ኣይናወፅን።</verse>
				<verse number="2">ኦ ጐይታ፥ ፍተነንን መርምረንን፤ ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን።</verse>
				<verse number="3">ምሕረትካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩሞ፥ ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ከንቱ ኣብ ዝኾነ ባይቶ ኣይተቐመጥኩን፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን።</verse>
				<verse number="5">ማሕበር ክፉኣት ፀላእኹ፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ።</verse>
				<verse number="6">ኣእዳወይ ብንፅህና እሓፅብ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="7">ድምፂ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኵሉ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኽነግር እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ነቲ እትነብረሉ ቤት፥ ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ።</verse>
				<verse number="9">ንነፍሰይ ምስ ሓጥኣን፥ ንህይወተይውን ምስ ናይ ደም ሰባት ኣይተጥፍኣያ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ኣብ ኢዶም ተንዀል ኣለዎም፤ የማናይ ኢዶም ድማ ጉቦ ዝመልአ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ግና ብየዋህነተይ ከድኩ፤ ኣድሕነኒ፤ መሓረኒውን።</verse>
				<verse number="12">ኣእጋረይ ብቕንዕና ቆይመን እየንሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማሕበር አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="2">ክፉኣት ዘጨንቑኒ ፀላእተይ፥ ንስጋይ ክበልዑ ምስ ቀረቡ፥ ንሳቶም ተሰናኺሎም ወደቑ።</verse>
				<verse number="3">ሰራዊት እንተ ኸበበኒ እኳ ልበይ ኣይፈርሕን፤ ኲናት እንተ ተልዓለኒውን ኣነ ብእኡ እእመን እየ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለመንክዎ፤ ንኣኣውን እደሊ ኣለኹ፤ ንሳውን ብዅሉ ዘመን ህይወተይ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ ኽርኢ፥ ኣብ መቕደሱውን ከስተንትን እየ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤ ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤ ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥ ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤ ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ዘእወኽዎ ቓለይ ስምዐኒ፤ መሓረኒ፤ ኣድምፀኒውን።</verse>
				<verse number="8">ንስካ ገፀይ ድለዩ ምስ በልካ፥ ኦ ጐይታ፥ ልበይ ንገፅካ እደሊ ኣለኹ በለ።</verse>
				<verse number="9">ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።</verse>
				<verse number="10">ኣቦይን እኖይን ገዲፎምኒ እዮምሞ፤ እግዚኣብሄር ግና ተቐበለኒ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ መሃረኒ፤ ምእንቲ ፀላእተይውን ብቕኑዕ መንገዲ ምርሐኒ።</verse>
				<verse number="12">ናይ ሓሰት መሰኻኽርን ዓመፅትን ተልዒሎሙኒ ኣለዉሞ፥ ንድሌት ፀላእተይ፥ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።</verse>
				<verse number="13">ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ፤ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ እንተ ዘይመሊስካለይ፥ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይመስልስ፥ ኣታ ኣምላኸይ ስቕ ኣይትበለኒ።</verse>
				<verse number="2">ኣእዳወይ ናብ መቕደስካ ዘርጊሐ፥ ናባኻ ኽምህለል እንተለኹ፥ ቃል ልመናይ ስማዕ።</verse>
				<verse number="3">ምስ ሓጥኣንን ምስ ገበርቲ ኽፉእን ዓመፅትን፥ ንነፍሰይ ኣይትውሰዳ፤ ኣብ ልቦም ክፍኣት እናሃለወ፥ ምስ ብፆቶም ሰላም ምስ ዝዛረቡ ኣይትደርብየኒ።</verse>
				<verse number="4">ከም ስራሖምን ከም ክፉእ ኣካይዳኦምን ሃቦም፤ ከም ተግባር ኣእዳዎም ሃቦም፤ ፍዳኦምውን ናብ ርእሶም ምለሰሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ንስራሕ እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣይሓሰቡንሞ፥ ከፍርሶም እዩ እምበር ኣይሃንፆምን።</verse>
				<verse number="6">ንቓል ልመናይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሎም እዩ፤ ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ህዝብኻ ኣድሕን፤ ርስትኻውን ባርኽ፤ ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ኣቱም ውሉድ ኣምላኽ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="2">ናይ ስሙ ኽብሪ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ንእግዚኣብሄር ስገዱ።</verse>
				<verse number="3">ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤ ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።</verse>
				<verse number="4">ድምፂ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ኽብሪ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ድምፂ እግዚኣብሄር ንዝግባታት ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ንዝግባ ሊባኖስ ይቕጥቅጦ።</verse>
				<verse number="6">ንሊባኖስ ከም ብተይ፥ ንስርዮን ግና ከም ሓደ ቐርኒ ዘለዎ ውሉድ ኣራዊት የዐንድሮም።</verse>
				<verse number="7">ድምፂ እግዚኣብሄር ንነበልባል ሓዊ ይስንጥቖ።</verse>
				<verse number="8">ድምፂ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የናውፆ፤ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የናውፆ።</verse>
				<verse number="9">ድምፂ እግዚኣብሄር ንዋልያታት የጠንክሮም፤ ንዱርውን ይገልፆ፤ ኵሉውን ኣብ መቕደሱ ምስጋና ይብል።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ንጥፍኣት ማይ ይእክቦ፤ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጉስ ኮይኑ ይነብር።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦም፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥ ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ኣምላኸይ፥ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ምሕረትውን ገበርካለይ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውፃእኻያ፤ ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ቅዱሳን፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ ንመዘከርታ ቕድስናኡ ድማ ኣመስግኑ።</verse>
				<verse number="5">ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤ ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።</verse>
				<verse number="6">ኣነውን ብታሕጓሰይ “ንዘለኣለም ኣይናወፅን እየ” በልኩ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ብፍቓድካ ንህይወተይ ሓይሊ ሃብካያ፤ ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ናብ ኣምላኸይውን ለመንኩ።</verse>
				<verse number="9">“ኣነ ናብ ጥፍኣት እንተ ወረድኩ፥ ብደመይ እንታይ ረብሓ ኣሎ? ሓመድከ የመስግነካዶ? ንሓቅኻኸ ይነግርዶ?</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ሰምዐ፤ መሓረኒውን፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ ኮነኒ።”</verse>
				<verse number="11">ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ኣምላኸይ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥ ንዘለኣለም ኣይሕፈር፤ ብፅድቅኻውን ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="2">እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ቀልጢፍካውን ኣድሕነኒ፤ ምእንቲ ኽተድሕነኒ መተኣማመኒ ኣምላኽን፥ መፀግዒ ቤትን ኩነኒ።</verse>
				<verse number="3">እምባይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ መተኣማመኒየይ ኢኻ እሞ፥ ካብቲ ብሕቡእ ዘፃወዱለይ መፈንጠር ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="5">ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ከንቱ ነገር ዝፅበዩ ዅሎም ፀላእኻ፤ ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ተኣመንኩ።</verse>
				<verse number="7">ንመከራይ ርኢኻዮ ኢኻሞ፥ ንነፍሰይውን ካብ ጭንቂ ኣድሒንካያ ኢኻ እሞ፥ ብምሕረትካ ደስ ይብለኒ፥ እሕጐስውን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤ ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ተሸጊረ እየ ዘለኹሞ ምርሐኒ፤ ኣዒንተይ ብሓዘን ደኸማ፤ ነፍሰይን ከርሰይን ብሓዘን ሃለቓ።</verse>
				<verse number="10">ህይወተይ ብሓዘን፥ ዓመታተይ ብብኽያት ተወድኣ፤ ሓይለይ ብሽግር ደኸመ፤ ኣዕፅምተይውን ሰንሰና።</verse>
				<verse number="11">ብፀላእተይ ተነወርኩ፤ ብሕልፊኳ ብጐረባብተይ፤ ነቶም ዝፈልጡኒ መፍርሒ ኾንኩ፤ ኣብ ኣደባባይ ዝረአዩኒውን ካባይ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="12">ከም ዝሞተ ሰብ ካብ ልቢ ተረሳዕኹ፤ ከም ስቡር ኣቕሓውን ተቘፀርኩ።</verse>
				<verse number="13">ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥ ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤ ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እእመን፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻውን በልኩ።</verse>
				<verse number="15">ርስተይ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ካብ ኢድ ፀላእተይን ካብ ዘሳጕጉኒውን ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤ ስለ ምሕረትካ ኸዓ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ፀዊዐ እየሞ ኣይሕፈር፤ ክፉኣት ግና ይሕፈሩ፤ ኣብ ሲኦልውን ፀጥ ይበሉ።</verse>
				<verse number="18">እተን ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ብትዕቢትን ብንዕቐትን ዝዛረባ፥ ከናፍር ሓሰት ይተዓበሳ።</verse>
				<verse number="19">ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥ ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ?</verse>
				<verse number="20">ብመጋረዲ ገፅካ ኻብ ክርክር ሰባት ትኽውሎም፤ ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ውሽጢ ዝተኸበበት ከተማ፥ ዘደንቕ ምሕረቱ ኣባይ ዝገለፀ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="22">ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።</verse>
				<verse number="23">ኣቱም ቅዱሳኑ ዅልኹም፥ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ፤ እግዚኣብሄር ንእሙናት ይደልዮም እዩሞ፤ ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም።</verse>
				<verse number="24">ኣቱም ኵልኻትኩም ብእግዚኣብሄር እትኣምኑ፥ በርትዑ፤ ልብኹምውን ይፅናዕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ሓጢኣቱ ዝተሓደገሉ፥ ኵሉ በደሉውን ዝተኸደነሉ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኵልሻዕ ካብ ምእዋየይ ዝተልዓለ፥ ስቕ ምስ በልኩ፥ ኣዕፅምተይ ተበላሸዋ።</verse>
				<verse number="4">ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸቢዳትኒ እያሞ፥ ራሕሰይ ንትኩሳት ሓጋይ ተለወጠ።</verse>
				<verse number="5">ሓጢኣተይ ነኣኻ ኣፍለጥኩ፤ በደለይውን ኣይሰወርኩን፤ በደለይ ንእግዚኣብሄር ክናዘዝ እየ በልኩ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ልበይ ሓደግካለይ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ኵሉ ቕዱስ ኣብ ምችዊ ጊዜ ናባኻ ይልምን፤ ብዙሕ ማይ ጥፍኣትውን፥ ናብኡ ኣይቐርብን።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤ ካብ መከራ ትሕልወኒ፤ ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።</verse>
				<verse number="9">ናባኻ ኸይቐርቡ፥ ብልባብን ብልጓምን ከም ዝግርሑ፥ ልቢ ኸም ዘይብሎም ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="10">መቕሰፍቲ ሓጥኣን ብዙሕ እዩ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ምሕረት ይኸቦ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ተሓጐሱውን፤ ኵልኻትኩም ቅኑዓት ልቢ ድማ ዕልል በሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕኑዓት ምስጋና ይግብኦም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="3">ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፤ ብዕልልታውን ሰናይ መዝሙር ዘምሩ።</verse>
				<verse number="4">ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስራሑውን ብእምነት እዩ።</verse>
				<verse number="5">ፅድቅን ፍትሕን ይፈቱ፤ ሕያዋይነት እግዚኣብሄርውን ንምድሪ መልኦ።</verse>
				<verse number="6">ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።</verse>
				<verse number="7">ንማያት ባሕሪ ኸም ሓርቢ ኣብ ሓደ ይእክቦ፤ ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም።</verse>
				<verse number="8">ምድሪ ብምልእታ ንእግዚኣብሄር ትፍርሓዮ፤ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ካብኡ ዝተልዓለ ይደንግፁ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤ ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ።</verse>
				<verse number="11">ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤ እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ተመልከተ፤ ንዅሎም ደቂ ሰብውን ረአየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ማሕደሩ ኾይኑ፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ተመልከተ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ በይኑ ንልቦም ዝፈጠረ፥ ንተግባር ኵላቶም ድማ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን።</verse>
				<verse number="17">ፈረስውን ከንቱ እዩ፤ ኣየድሕንን፤ ብብዝሒ ሓይሉውን ኣየምልጥን።</verse>
				<verse number="18">እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ንነፍሶም ካብ ሞት የድሕን፤ ብዘመን ጥሜትውን ይምግቦም።</verse>
				<verse number="20">ነፍስና ንእግዚኣብሄር ተስፋ ትገብር፤ ረዳኢናን መፀግዕናን ንሱ እዩሞ።</verse>
				<verse number="21">ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎሞ፥ ብቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢናሞ።</verse>
				<verse number="22">ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ብኣኻ ዝተኣመንና፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕሌና ትኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤ ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ደለኹዎ፤ ንሱውን መለሰለይ፤ ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="5">ናብኡ ቕረቡ፤ ከብርሀልኩም እዩ፤ ገፅኩምውን ኣይሓፍርን።</verse>
				<verse number="6">እዝ ምስኪን እዙይ ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ፤ ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ።</verse>
				<verse number="7">መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤ ንሱውን የናግፎም።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥ ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ።</verse>
				<verse number="10">ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።</verse>
				<verse number="11">ደቀይ፥ ንዑ ስምዑኒ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ክምህረኩም እየ።</verse>
				<verse number="12">ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ?</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ክፉእ ረሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ንሰላም ድለያ፤ ሰዓባውን።</verse>
				<verse number="15">ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥ እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።</verse>
				<verse number="16">ዝኽሮም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍእ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ገበርቲ ኽፉእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም።</verse>
				<verse number="19">ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣዕፅምቶም ይሕሉ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይስበርን።</verse>
				<verse number="21">ንሓጢኣተኛታት ክፍኣት ይቐትሎም፤ ንፃድቃን ዝፀልኡ ኸዓ ኽናስሑ እዮም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይቢዘው፤ ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤ ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።</verse>
				<verse number="2">ዋልታን ኲናትን ሓዝ፤ ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል።</verse>
				<verse number="3">ሰይፍኻ ምዘዝ፤ ነቶም ዘሳጕጉኒ መንገዶም ዕፆ፤ ንነፍሰይውን “መድሓኒኺ ኣነ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="4">ንነፍሰይ ዝደልዩ ዅሎም ይሕፈሩን ይዋረዱን፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ክፍኣት ዝሓስቡ ይሕፈሩ፤ ንድሕሪኣቶምውን ይመለሱ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።</verse>
				<verse number="6">መንገዶም ፀልማትን መንደልሃፅን ይኹን፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ የሳጕጎም።</verse>
				<verse number="7">ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥ ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="8">ዘይፈልጥዎ መፈንጠር ይምፅኣዮም፤ እቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ይሓዞም፤ ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ።</verse>
				<verse number="9">ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ደስ ይብላ፤ ብምድሓኑውን ትሕጐስ።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦ “ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ? ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤ ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”</verse>
				<verse number="11">መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤ ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።</verse>
				<verse number="12">ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤ ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤ ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤ ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="14">ንፈታውየይን ንሓወይን ከም ዝገብሮ ገበርኩ፤ ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤ ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤ ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።</verse>
				<verse number="16">ፈተኑኒ ብስሓቕውን ሓጨጩለይ፤ ኣስናኖምውን ኣብ ልዕለይ ሓርቀሙለይ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሪአለይ? ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።</verse>
				<verse number="18">ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ዓብዪ ጉባኤ ኽግዝአልካ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሕ ህዝቢ እውን ከመስግነካ እየ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ብግፍዒ ዝፀልኡኒ ኣብ ልዕለይ ደስ ኣይበሎም፤ እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ።</verse>
				<verse number="20">ንኣይስ ሰላም እዮም ዝናገሩኒሞ፤ ብቝጥዓ ድማ ጥበራ ይመኽሩ።</verse>
				<verse number="21">ኣፎም ኣብ ልዕለይ ሃህ ኣበሉ፤ “እሰይ፥ እሰይ፥ እንኳዕ ብዓይንና ረአናዮ” ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ረአኻዮ፤ ስቕውን ኣይትበል፤ ኦ ጐይታ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።</verse>
				<verse number="23">ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን፥ ናብ ፍርደይ ተልዓል፤ ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል።</verse>
				<verse number="24">ኦ ኣምላኸይ፥ ከም ፅድቅኻ ፍረደለይ፤ ፀላእተይውን ብኣይ ኣይተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="25">ብልቦም “እሰይ፥ እሰይ እንቋዕ ንነፍስና ደስ በላ” ኣይበሉ፤ “እንኳዕ ወሓጥናዮ” እውን ኣይበሉ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ፥ ብሓባር ይዋረዱ፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ፥ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ንፅድቀይ ዝፈትውዋ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤ ኵልሻዕውን “ሰላም ባርያኡ ዝደሊ፥ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ እዩ” ይበሉ።</verse>
				<verse number="28">ኣንደበተይ ንፅድቅኻ፥ ኵልሻዕውን ንምስጋናኻ ይናገር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ሓጢኣተኛ ንባዕሉ፥ ዘስሕት ነገር ይናገር፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።</verse>
				<verse number="2">ብመልሓሱ ጠቢሩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ።</verse>
				<verse number="3">ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ምድቃሱ ጠዋይ ነገር ሓሰበ፤ ቅንዕቲ ብዘይኮነት መንገዲ ቖመ፤ ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="6">ፅድቅኻ ኸም እምባታት እግዚኣብሄር እዩ፤ ፍርድኻውን እምብዛ ዓሚቝ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ንምሕረትካ ኽንደይ ኣብዛሕኻ! ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም።</verse>
				<verse number="9">ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ፥ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ።</verse>
				<verse number="10">ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈልጡኻ፥ ንፅድቅኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ልቢ ዘርግሕ።</verse>
				<verse number="11">እግሪ ዕቡይ ኣይምፅአኒ፤ ኢድ ሓጢኣተኛውን ኣይትሓውኸኒ።</verse>
				<verse number="12">ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ኣብኡ ወደቑ፤ ወዲቖም እዮም፤ ክቖሙውን ኣይኽእሉን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ፤ በቶም ዓመፅትውን ኣይትቕናእ።</verse>
				<verse number="2">ንሳቶም ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክነቕፁ፥ ከም ልምሉም ቘፅሊውን ክረግፉ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="3">ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።</verse>
				<verse number="4">ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤ ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ።</verse>
				<verse number="5">መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ቍጥዓ ረሓቕ፤ መዓትውን ሕደግ፤ ከይትብድል ኣይትቕናእ።</verse>
				<verse number="9">ገበርቲ እከይ ክጠፍኡ እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ግና፥ ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽፉእ ሰብ ኣይህሉን፤ ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን።</verse>
				<verse number="11">ለዋሃት ግና ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ ብብዙሕ ሰላም ድማ ደስ ይብሎም።</verse>
				<verse number="12">ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤ ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ሓጢኣተኛታት ንድኻታትን ንፅጉማትን ከውድቑ፥ ነቶም ቅኑዓት ልቢውን ክወግኡ፥ ሰይፎም መዘዙ፤ ቀስቶምውን ገተሩ።</verse>
				<verse number="15">ሰይፎም ናብ ልቦም ይእቶ፤ ቀስቶምውን ይሰበር።</verse>
				<verse number="16">ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥ ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።</verse>
				<verse number="17">ሓይሊ ኽፉኣት ክትስበር እያ፤ ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ንመንገዲ ንፁሃን ይፈልጥ፤ ርስቶምውን ንዘለኣለም እዩ።</verse>
				<verse number="19">ብኽፉእ ዘመን ኣየሓፍሩን እዮም፤ ብዘመን ጥሜትውን ክፀግቡ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ሓጢኣተኛታት ግና ኽጠፍኡ እዮም፤ ፀላእቲ እግዚኣብሄር ብዝኸበሩን ልዕል ልዕል ብዝበሉን ከም ትኪ ይጠፍኡ።</verse>
				<verse number="21">ሓጢኣተኛ ሰብ ተለቂሑ ኣይመልስን እዩ፤ ፃድቕ ሰብ ግና ይርህርህ፤ ይህብውን።</verse>
				<verse number="22">እቶም ንእግዚኣብሄር ዝባርኹ፥ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ እቶም ዝረግምዎ ግና ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ።</verse>
				<verse number="24">እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="25">ጐበዝኩ፤ ኣረግኩውን፤ ፃድቅ እንትድርበ፥ ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን።</verse>
				<verse number="26">ኵልሻዕውን ይርህርህን የለቅሕን፤ ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር።</verse>
				<verse number="27">ካብ ክፉእ ህደም፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥ ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤ ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤ ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="29">ፃድቃን ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፤ ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="30">ኣፍ ፃድቅ፥ ጥበብ የምህር፤ ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር።</verse>
				<verse number="31">ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ውሽጢ ልቡ እዩ፤ በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን።</verse>
				<verse number="32">ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ግና ኣብ ኢዱ ኣየሓድጎን እዩ፤ ምስተፋረዶውን ኣየሸንፎን።</verse>
				<verse number="34">ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ መንገዱውን ሓሉ፤ ንምድሪ ምእንቲ ኽትወርስ ልዕል ልዕል ከብለካ እዩ፤ ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ።</verse>
				<verse number="35">ሓጥእ ልዕል ልዕል ኢሉ፥ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ለምሊሙ ረአኽዎ፤</verse>
				<verse number="36">ምልስ እንተ በልኩ ግና፥ ሰኣንክዎ፤ ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="37">ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤ ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።</verse>
				<verse number="38">በደለኛታት ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="39">ድሕነት ፃድቃን ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ እዋን ፀገሞምውን መፀግዒኦም ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="40">እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤ ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።</verse>
				<verse number="2">ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤ ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፤ ካብ ሓጢኣተይ ዝተልዓለውን ነዕፅምተይ ሰላም የብሎምን።</verse>
				<verse number="4">ሓጢኣተይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ከም ከቢድ ሸኽሚውን ኣብ ልዕለይ የመና ኸቢዱኒ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብሰንኪ ስንፍናይ፥ ቍስለይ በስበሰ፤ ሸተተውን።</verse>
				<verse number="6">እምብዛ ዓበርኩ፤ ተዋረድኩውን፤ ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ነፍሰይ ብፀርፊ መሊኣ እያሞ፤ ንስጋይውን ጥዕና የብሉንሞ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ሰንሰንኩ፤ እምብዛውን ተሸገርኩ፤ ካብ ሓዘን ልበይ ዝተልዓለ እግዕር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፤ እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ልበይ ደንገፀኒ፤ ሓይለይውን ጠለመኒ፤ ብርሃን ኣዒንተይ ፈዘዘ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ቍስለይ ዝተልዓለ፥ ፈተውተይን ኣዕርኽተይን ካብ ቍስለይ ይርሕቁ፤ ኣዝማደይውን ርሒቖም ቆሙ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ በርትዑኒ፥ እቶም መከራይ ዝደልዩ፥ ከንቱ ተናገሩ፤ ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ግና ኸም ዘይሰምዕ ፀማም፥ ኣፉ ኸም ዘይኸፍት በሃም ኮንኩ።</verse>
				<verse number="14">እወ፥ ከም ዘይሰምዕ ሰብ፥ ብኣፉውን ክናገር ከም ዘይኽእል ሰብ ኮንኩ።</verse>
				<verse number="15">ኦ ጐይታ፥ ብኣኻ እእመን ኣለኹሞ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ትሰምዐኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ፀላእተይ ብኣይ ደስ ከይብሎም ኢለ ኣለኹሞ፥ እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ኣነስ ንምሕንካስ ቀሪበ እየሞ፥ ቍስለይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።</verse>
				<verse number="18">በደለይ እናዘዝ ኣለኹ፤ ብሓጢኣተይውን እጕሂ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ፀላእተይ ህያዋን እዮም፤ ይብርትዑኒውን እዮም፤ ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="20">ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥ ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="21">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣይትደርብየኒ፤ ኣምላኸይ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።</verse>
				<verse number="22">ኦ መድሓኒየይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">ብኣንደበተይ ከይስሕት ንመንገደይ ክሕሉ እየ፤ ሓጢኣተኛ ኣብ ቅድመይ እንትቃወመኒ፥ ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኸንብር እየ በልኩ።</verse>
				<verse number="2">ስቕ ካብ ምባል ዝተልዓለ ኸም በሃም ኮንኩ፤ ንፅቡቕ ነገርኳ ስቕ በልኩ፤ ቍስለይውን ተሓደሰኒ።</verse>
				<verse number="3">ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሞቐኒ፤ ካብ ምስትንታነይ ዝተልዓለ ኸዓ ሓዊ ነደደ፤ ብኣንደበተይውን ተዛረብኩ፦</verse>
				<verse number="4">“ኦ ጐይታ፥ መወዳእታይ ኣፍልጠኒ፤ ፍፃመይን ቍፅሪ መዋእለይን ክንደይ ምዃኑ ኣፍልጠኒ” ድማ በልኩ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ንዘመናተይ ኣእረግካየን፤ ኣካለይውን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኢምንት እዩ፤ ኵሉ ህያው ዝኾነ ሰብ ብሓቂ ኸንቱ ጥራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="7">ሕዚኸ፥ ተስፋይ መን እዩ? እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን? ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ኵሉ ሓጢኣተይ ኣናግፈኒ፤ መላገፂ ሰነፋት ኣይትግበረኒ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥ ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።</verse>
				<verse number="10">መቕሰፍትኻ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="11">ንሰብ ስለ ሓጢኣቱ ብተግሳፅካ ዘለፍካዮ፤ ነፍሱ ድማ ኸም ዓለባ ሳሬት ትሃልቅ፤ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።</verse>
				<verse number="13">ናብ ዘይምለሰሉ እንተይኸድኩ ኽዓርፍ ሕደገኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">ተዓጊሰ ንእግዚኣብሄር ደገ ፀናዕኽዎ፤ ንሱውን ናባይ ምልስ ኢሉ ኣውያተይ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።</verse>
				<verse number="3">ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ናብ ኣፈይ ወሰኸ፤ ብዙሓት ክሪኡ፥ ክፈርሑውን እዮም፤ ብእግዚኣብሄርውን ክእመኑ እዮም።</verse>
				<verse number="4">እቲ ንእግዚኣብሄር ዝእመን፥ ናብ ትዕቢተኛን ናብ ሓሳዊን ዘይጠመተ ሰብ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።</verse>
				<verse number="6">መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኣነ “እንሆ፥ መፃእኹ” በልኩ፤ ብዛዕባይ ኣብ ርእሲ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ንምግባር ፈተኹ፤ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ፅድቅኻ ነገርኩ፤ እንሆ፥ ንኸናፍረይ ኣይክልክልን፤ ኦ ጐይታ ንስኻ ፅድቀይ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="10">ንሓቅኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሓባእኽዎን፤ ምድሓንካንውን ተናገርኩ፤ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣብቲ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሰወርኩን።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ምሕረትካ ኻባይ ኣይተርሕቕ፤ ምሕረትካን ሓቅኻን ኵልሻዕ ይሓልዋኒ።</verse>
				<verse number="12">ቍፅሪ ዘይብሉ መከራ ረኺቡኒ እዩሞ፥ ሓጢኣታተይ ሓዙኒ፤ ምርኣይውን ሰኣንኩ፤ ካብ ፀጕሪ ርእሰይውን በዝሑ፤ ልበይ ከዓ ጠለመኒ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ክተድሕነኒ ፍቐድ፤ ኦ ጐይታ፥ ንምርዳአይ ፍጠን።</verse>
				<verse number="14">እቶም ንነፍሰይ ከጥፍእዋ ዝደልዩ ይሕፈሩ፤ ሓቢሮምውን ይዋረዱ፤ እቶም ክፍኣት ክገብሩ ዝፈትዉ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ሓቢሮም ይዋረዱን።</verse>
				<verse number="15">እቶም “እሰይ፥ እሰይ” ዝብሉኒ፥ ውርደቶም ሽዑ ይፈደዩ።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ ንኣኻ ዝደልዩ ዅሎም፥ ብኣኻ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤ እቶም ኵልሻዕ ምድሓንካ ዝፈትዉ፥ ኵልሻዕ “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ” ይበሉ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ፅጉምን ምስኪንን እየ፤ ጐይታ ግና ይሓስበለይ እዩ፤ ንስኻ ረዳእየይን መድሓኒየይን ኢኻ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ኣይትደንጒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">ንድኻን ንምስኪንን ዝሓሊ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመዓልቲ መከራ የድሕኖ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ክሕልዎን ህያው ክገብሮን እዩ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝምስገን ይገብሮ፤ ናብ ኢድ ፀላእቱውን ኣሕሊፉ ኣይህቦን።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣብ ዓራት ሕማሙ እንተሎ ይረድኦ፤ ኣብ ጊዜ ሕማሙ፥ ንዅሉ መደቀሲኡ የንፅፈሉ።</verse>
				<verse number="4">ኣነስ፦ “ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ንኣኻ በዲለ እየሞ ንነፍሰይ ፈውሳ” በልኩ።</verse>
				<verse number="5">ፀላእተይ “መኣዝ እዩ ዝመውት? መኣዝከ እዩ ስሙ ዝሰዓር?” እናበሉ፥ ኣባይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">ሓደ ንኣይ ንምርኣይ እንተ ኣተወ ኸንቱ ይዛረብ፤ ኣብ ልቡ ሓጢኣት ይእክብ፤ ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ይናገር።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕለይ ብምትሕብባር፥ ኵሎም ፀላእተይ ንስንሳቶም የሕሸዅሽኹ ኣለዉ፤ ኣብ ልዕለይውን ክፋእ ይሓስቡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="8">“ክፉእ ነገር መፆ፤ ደቂሱ ኣሎ፤ ደጊም ኣይትስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ግና ኦ ጐይታ፥ መሃረኒ፤ ምእንቲ ኽምልሰሎምውን ኣተስአኒ።</verse>
				<verse number="11">ፀላእየይ ዕልል ኣይብለለይን እዩሞ፥ ስለዙይ ንስኻ ኸም ዝፈተኻኒ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="12">ንኣይ ግና ስለ ቕንዕናይ ተቐበልካኒ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ንዘለኣለም ኣፅናዕኻኒ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">ዋልያ ናብ ዓይኒ ማያት ከም ዝናፍቕ፥ ኦ ጐይታ ኸምኡ ነፍሰይ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ።</verse>
				<verse number="2">ነፍሰይ፥ ናብ ህያው ኣምላኽ ትናፍቕ፤ መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ?</verse>
				<verse number="3">ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ኣምላኸይ፥ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተሃወኸት፤ ስለዙይ ከዓ ኣብ ምድሪ ዮርዳኖስ፥ ኣብ እምባ ኣርሞንኤም፥ ኣብቲ ንእሽተይ እምባ እዝክረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ብድምፂ መንጫዕጫዕታኻ ቓላይ ንቓላይ ትፅውዓ፤ ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ምሕረቱ ይእዝዝ፤ ብለይቲ ድማ እቲ ዝማሬኡ ምሳይ ይኸውን፤ መብፅዓይ ናብ ኣምላኽ ህይወተይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንእግዚኣብሄር፦ ንስኻ መፀግዕየይ ኢኻ፤ “ንምንታይ ረሳዕኻኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ።</verse>
				<verse number="10">ፀላእተይ ኵልሻዕ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እንትብሉኒ፥ ኣዕፅምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ፀረፉኒ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="43">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ፍረደለይ፤ ካብ ፅድቂ ኻብ ዝረሓቑ ህዝቢ እውን ክርክረይ ተኸራኸር፤ ካብ ጠባሪን ዓማፅን ሰብ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="2">ኣታ ኣምላኸይን ሓይለይን፥ ስለ ምንታይ ትሓድገኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?</verse>
				<verse number="3">ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፤ ንሳተን ይምርሓኒ፤ ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፥ ናብታ መሕደሪኻን የብፅሓኒ።</verse>
				<verse number="4">ናብ መሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ንጕብዝናይ ናብ ዘሐጕሳ ናብ ኣምላኸይ ክኣቱ እየ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብበገና ኸመስግነካ እየ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="44">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።</verse>
				<verse number="2">ኢድካ ንኣህዛብ ኣጥፍአቶም፤ ንኣኣቶም ድማ ተኸልካ፤ ንኣህዛብ ኣሳቐኻዮም፤ ኣሳጐጕካዮምውን።</verse>
				<verse number="3">ፈቲኻዮም ኢኻሞ፥ የማናይ ኢድካን ብርሃን ገፅካን እዩ እምበር፥ ብሰይፎም ንምድሪ ኣይወረሱን፤ ቅልፅሞምውን ኣየድሓኖምን፤</verse>
				<verse number="4">ኣምላኸይን ንጉሰይን ንስኻ ኢኻ፤ ንያእቆብ መድሓኒት ኣዝዝ።</verse>
				<verse number="5">ብኣኻ ንፀላእትና ኽንወግኦም ኢና፤ ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም።</verse>
				<verse number="6">ብቐስተይ ዝእመን ኣይኮንኩንሞ፤ ሰይፈይውን ኣየድሕነንን እዩሞ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሓንካና፤ ነቶም ዝፀልኡናውን ኣሕፈርካዮም።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ዅሉ መዓልቲ ብእግዚኣብሄር ንኸብር፤ ንስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ግና ፀላእኻናን ኣሕፈርካናን፤ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን።</verse>
				<verse number="10">ካብ ቅድሚ ፀላእትና ንድሕሪት መለስካና፤ እቶም ዝፀልኡናውን ተማናጠሉና።</verse>
				<verse number="11">ከም ኣባጊዕ ክበልዑና ኣሕሊፍካ ሃብካና፤ ናብ ኣህዛብ ድማ በተንካና።</verse>
				<verse number="12">ንህዝብኻ ብዘይ ዋጋ ሃብካ፤ ብምልዋጦምውን ረብሓ የለን።</verse>
				<verse number="13">ንጐረባብትና መፃረፊ፥ ኣብ ዙርያና ንዝነብሩ ኸዓ መስሓቕን መላገፂኦምን ገበርካና።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ኣህዛብ መመሰሊ፥ ኣብ ህዝብታት ድማ መነቕነቒ ርእሲ ገበርካና።</verse>
				<verse number="15">ኵልሻዕ ውርደተይ ኣብ ቅድመይ እዩ፤ ካብ ቃል ዝፃረፍን ካብ ዘላግፅን ዝተልዓለ፥ ካብ ዝኸብብ ፀላኢውን ዝተልዓለ፥ ሕፍረት ገፀይ ሸፈነኒ።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">እዝ ኵሉ ኣብ ልዕሌና በፅሐ፥ ግና ኣይረሳዕናካን፤ ንኺዳንካውን ኣይዓመፅናን።</verse>
				<verse number="18">ልብና ንድሕሪት ኣይተመለሰን፤ ኣሰርናውን ካብ መንገድኻ ኣይወፀን።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ክፉእ ስፍራ ኣዋሪድካና ኢኻሞ፤ ብፅላል ሞትውን ሰዊርካና ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="20">ስም ኣምላኽና፥ ረሲዕና እንተ ንኸውንስ፥ ኣእዳውናውን ናብ ካልእ ኣምላኽ ኣልዒልና እንተንኸውንስ፥</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።</verse>
				<verse number="22">ንሕና ግና ምእንታኻ ዅልሻዕ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ኮንና።</verse>
				<verse number="23">ኦ ጐይታ! ተበራበር፤ ንምንታይከ ትድቅስ? ተስእ! ንሓዋሩውን ኣይትደርብየና!</verse>
				<verse number="24">ንምንታይከ ገፅካ እትስውር? ንመከራናን ጭንቕናንከ ንምንታይ ትርስዕ?</verse>
				<verse number="25">ነፍስና ኣብ ምድሪ ሓሲራ እያሞ፥ ከብድናውን ናብ ምድሪ ተጣቢቓ እያሞ።</verse>
				<verse number="26">ኦ ጐይታ ተስእሞ ርድአና፤ ስለ ስምካ ተቤዘወና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="45">
				<verse number="1">ልበይ ሰናይ ነገር ኣፈልፈለ፤ ኣነ ስራሐይ ንንጉስ እነግር፤ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ፀሓፊ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ፤ ሞገስ ብኸናፍርካ ወሓዘ፤ ስለዙይ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።</verse>
				<verse number="3">ኣታ ሓያል ብክብርኻን ብግርማኻን፥ ሰይፍኻ ኣብ ሕቘኻ ዕጠቕ።</verse>
				<verse number="4">ስለ ቕንዕናን ስለ የውሃትን ስለ ፅድቅን ኣቕንዕ፤ ተዳሎ ንገስውን፤ የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣታ ሓያል፥ ፍላፃታትካ ዝተስሓላ እየን፤ ንሳተን ኣብ ልቢ ፀላእቲ ንጉስ ይኣትዋ፤ ኣህዛብውን ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ኣምላኽ ዙፋንካ ንዘለኣለም እዩ፤ በትሪ መንግስትኻ በትሪ ቕንዕና እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንፅድቂ ፈተኻ፤ ንዓመፃ ድማ ፀላእኻ፤ ስለዙይ ሕልፊ ብፆትካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ኵሉ ኽዳውንትካ ኸርበን ዓልውን ዝባድን ኣሎ፤ ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ኣዳራሽ፥ የሐጕሱኻ።</verse>
				<verse number="9">ኣዋልድ ነገስታት ንኽብርኻ እየን፤ እታ ንግስቲ ክዳን ወርቂ ተጐናፂፋን ተጐልቢባን፥ ኣብ የማንካ ትቐውም።</verse>
				<verse number="10">ኣቲ ጓለይ፥ ስምዒ፤ ረአዪ፤ እዝንኺ ኸዓ ፅን ኣብሊ፤ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ኣዋልድ ጢሮስ ገፅ በረኸት ሒዘን ክሰግዳሉ እየን፤ ሃብታማት ህዝቢ ምድሪ ኣብ ቅድሜኺ ኽምህለሉ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንጓል ንጉስ ሓሴቦን ኵሉ ኽብራ እዩ፤ ክዳውንታ ናይ ወርቂ መጐናፀፊ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ብድሕሪኣ ንንጉስ ደናግል ይወስዱሉ፤ ንብፆታውን ናባኻ የቕርቡ፤ ናብቲ ንጉስ የእትዉወን።</verse>
				<verse number="15">ብሓጐስን ብዕልልታን ይወስድወን፤ ናብ ኣዳራሽ ንጉስውን የእትውወን።</verse>
				<verse number="16">ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወለዱልኪ፤ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ገዛእቲ ጌርኪ ኽትሸሚዮም ኢኺ።</verse>
				<verse number="17">ንስምኪውን ንውሉድ ወለዶ ኸዘኻኽሩ እዮም፤ ስለዙይ ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንዘለኣለመ ኣለም ክግዝኡልካ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="46">
				<verse number="1">ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት፥ እምባታትውን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ሰጠሙ፥ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ተናወፀን፥ እምባታትውን ካብ ሓይሉ ዝተልዓለ እንተ ኣንቀጥቀጡ፥ ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸላ እዩ፥ ኣይትናወፅን፤ እግዚኣብሄር ቀልጢፉ ኽረድኣ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣህዛብ ተናወፁ፤ መንግስታትውን ተመለሱ፤ ንሱ ቃሉ ሃበ፤ ምድሪ እውን ኣንቀጥቀጠት።</verse>
				<verse number="7">ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።</verse>
				<verse number="8">ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራትውን ክትሪኡ ንዑ።</verse>
				<verse number="9">ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”</verse>
				<verse number="11">ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="47">
				<verse number="1">ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፤ ብቓል ሓጐስውን ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ልዑልን ግሩምን እዩሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ።</verse>
				<verse number="3">ንኣህዛብ ኣብ ትሕቴና፥ ንወገናትውን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣግዝአልና።</verse>
				<verse number="4">ናይ ያእቆብ ፅባቐ ዝፈተወ፥ ንሱ ንርስቱ ንኣና ሓረየና።</verse>
				<verse number="5">ኣምላኽ ብዕልልታ፥ እግዚኣብሄር ብድምፂ መለኸት ዓረገ።</verse>
				<verse number="6">ዘምሩ፥ ንኣምላኽና ዘምሩ፤ ዘምሩ፥ ንንጉስና ዘምሩ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፥ ብምስትውዓል ዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነገሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋን ቅድስናኡ ይቕመጥ።</verse>
				<verse number="9">ሓይለኛታት ምድሪ ንእግዚኣብሄር እዮምሞ፤ ኣሕሉቕ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣከቡ፤ ንእኡ ኸዓ ልዕል ልዕል ኣብልዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="48">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ኣብታ ቕድስቲ እምባ፥ ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣብ ኣዳራሻታ፥ መፀግዒ ኾይኑ ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ ነገስታት ተኣኪቦም ብሓባር መፂኦም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ሪኦም ተደነቑ፥ ደንገፁ፥ ተሃወኹ።</verse>
				<verse number="6">ኣብኡ ኸም ሕርሲ ወላድ ምንቅጥቃጥ ሓዞም።</verse>
				<verse number="7">ብብርቱዕ ንፋስ ንመራኽብ ተርሴስ ትሰባብር።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና፥ ከምኡ ረአና፤ ኣብታ ኸተማ ጐይታ ሰራዊት፥ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኻ፥ ምሕረትካ ተቐበልና።</verse>
				<verse number="10">ኦ ኣምላኽ፥ ከም ስምካ፥ ከምኡውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስጋናኻ እዩ። የማንካ ፅድቂ ዝመልአት እያ፤</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ ብፍርድታትካ፥ እምባ ፅዮን ደስ ይበሎ፤ ኣዋልድ ይሁዳውን ይተሓጐሳ።</verse>
				<verse number="12">ንፅዮን ክበብዋ፤ ኣብ ዙርያኣ ድማ ተመላለሱ፤ ግንብታታውን ቍፀሩ።</verse>
				<verse number="13">ንዝመፅእ ወለዶ ምእንቲ ኽትነግሩ፥ ንብርታዐኣ ኣስተብህሉ፤ ንኣዳራሻታውን ኣስተውዕሉ።</verse>
				<verse number="14">እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="49">
				<verse number="1">ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩውን፥ ኵልኻትኩም ፅን በሉ፤</verse>
				<verse number="2">ትሕት ዝበልኩምን ልዕል ዝበልኩምን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ሓቢርኩም ፅን በሉ።</verse>
				<verse number="3">ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፤ ሓሳባት ልበይ ከዓ ምስትውዓል ይህብ።</verse>
				<verse number="4">እዝነይ ናብ ምስላ ኣዘንብል፤ ንምስጢረይ ከዓ ብበገና እገልፅ።</verse>
				<verse number="5">ሓጢኣት ሸዀናይ ምስ ከበበኒ፥ ብኽፉእ መዓልቲ ንምንታይ ዝፈርሕ?</verse>
				<verse number="6">እቶም ብሓይሎም ዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሃብቶም ከዓ ዝምክሑ፥</verse>
				<verse number="7">ሓው ንሓዉ ኣየድሕንን፤ ሰብውን ኣየድሕንን። ቤዛኡውን ንእግዚኣብሄር ኣይህብን፤</verse>
				<verse number="8">ንዘለኣለም ክነብር፥ ንጥፍኣትውን ከይርኢ፥ ቤዛ ነፍሳቶም ክቡር እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ተሪፉ እዩሞ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ለባማት ከም ዝሞቱ፥ ከምኡውን ሰነፋትን ደናቝርን ብሓባር ከም ዝጠፍኡ፥ ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ብልቦም፥ ገዛኣቶም ንዘለኣለም ዝነብር፥ መሕደሪኦምውን ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ይመስሎም፤ በብሃገሮም ስማቶም ይፅዋዕ።</verse>
				<verse number="12">ሰብ ግና ኽቡር እንተሎ ኣይፈልጥን፤ ከም ዝጠፍኡ እንስሳታት መሰለ።</verse>
				<verse number="13">እዛ መንገዳቶም መዐንቀፊቶም እያ፤ እቶም ብድሕሪኦም ዝመፁውን ብኣፎም ይድግፍዎ።</verse>
				<verse number="14">ከም ኣባጊዕ ናብ ሲኦል ዝኸዱ እዮም፤ ጓሳኦምውን ሞት እዩ። እቶም ቅኑዓት ንጉሆ ክገዝእዎም እዮም፤ ፅባቐኦምውን ካብ መንበሪኦም ተፈልያ፥ ኣብ ሲኦል ትበሊ።</verse>
				<verse number="15">ንኣይ ግና እግዚኣብሄር ክቕበለኒ እዩሞ፤ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ክቢዘዋ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሰብ እንተ ሃብተመ፥ ክብሪ ቤቱውን እንተ በዝሐ ኣይትፍርሓዮ።</verse>
				<verse number="17">ምስ ሞተ፥ ምስኡ ዝወስዶ ነገር የለንሞ፤ ክብሩውን ምስኡ ናብ መቓብር ኣይወርድን እዩሞ።</verse>
				<verse number="18">ሰብ ብህይወቱ እንተሎ ንነፍሱ ባሪኹ እዩሞ፥ ንሰብነቱ ፅቡቕ እንተ ገበርካሉ የመስግነካ።</verse>
				<verse number="19">ግና ናብ ትውልዲ ኣቦታቱ ይወርድ፤ ንዘለኣለም ብርሃን ኣይርእን።</verse>
				<verse number="20">ኣእምሮ ዘይብሉ ኽቡር ሰብ፥ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳት መሰለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="50">
				<verse number="1">ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ፅባቐ ኽብሩ ኻብ ፅዮን፥ እግዚኣብሄር ብገሃድ ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማይን፥ ምድሪ እውን ብህዝቡ ንምፍራድ ክፅውዕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።</verse>
				<verse number="6">ሰማያት ፅድቁ ክናገሩ እዮም፤ እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ።</verse>
				<verse number="7">ህዝበይ፥ ስማዕ ክነግረካ፤ እስራኤልውን ስምዐኒ፥ ክምስክረልካ፤ ኣምላኽስ ኣነ ኣምላኽካ እየ።</verse>
				<verse number="8">ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፥ ካብ ደምቤኻውን ዲበላታት ኣይወስድን።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም እንስሳ በረኻን፥ ኣብ ኣሽሓት እምባታት ዘለዉ እንስሳትውን ናተይ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="11">ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ እፈልጠን እየ፤ ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኣራዊትውን ኣባይ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩሞ፥ እንተ ዝጠሚውን ንኣኻ ኣይነግረካን።</verse>
				<verse number="13">ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ እየ? ደም ዲበላታትከ እሰቲ ድየ?</verse>
				<verse number="14">ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።</verse>
				<verse number="15">ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ንሓጥእ ግና ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎ፥ ስለ ምንታይ ንስኻ ሕገይ ትናገር? ኪዳነይከ ብኣፍካ ንምንታይ ትዛረብ?</verse>
				<verse number="17">ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።</verse>
				<verse number="18">ሰራቂ እንተ ረአኻ ምስኡ ትጐዪ፤ ዕድልካውን ምስ ኣመንዝራታት ገበርካ።</verse>
				<verse number="19">ኣፍካ ኽፍኣት ኣብዝሐ፤ ኣንደበትካውን ጥበራ ተነጐ።</verse>
				<verse number="20">ተቐሚጥካ ንሓውካ ሓመኻዮ፤ ንወዲ እኖኻውን ዕንቅፋት ኣቐመጥካ።</verse>
				<verse number="21">እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።</verse>
				<verse number="23">መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="51">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ከም መጠን ሕያዋይነትካ መሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካ ኸዓ ምትሕልላፈይ ደምስስ።</verse>
				<verse number="2">ካብ በደለይ ፈፂምካ ሕፀበኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ኣፅርየኒ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ምትሕልላፈይ እፈልጥ ኣለኹሞ፤ ሓጢኣተይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።</verse>
				<verse number="4">ብነገርካ ኽትፀድቕ፥ ብፍርድኻውን ንፁህ ክትከውን፥ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፤ ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ንሓቂ ፈተኻ፤ ዘይረአ ስውር ጥበብ ኣፍለጥካኒ።</verse>
				<verse number="7">ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።</verse>
				<verse number="8">ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም።</verse>
				<verse number="9">ካብ ሓጢኣተይ ገፅካ መልስ፤ ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ንፁህ ልቢ ፍጠረለይ፤ ቅኑዕ መንፈስ ከዓ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ገፅካ ኣይትደርብየኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ።</verse>
				<verse number="12">ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ፤ ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ መንገድኻ ንጠሓስቲ ሕጊ ኽምህር እየ፤ ሓጢኣተኛታት ድማ ናባኻ ኽምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።</verse>
				<verse number="15">ኦ ጐይታ! ኸናፍረይ ክፈት፤ ኣፈይውን ምስጋናኻ ኽነግር እዩ።</verse>
				<verse number="16">መስዋእቲ እንተ እትፈቱስ መቕረብኩልካ ነይረ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየሐጕሰካን እዩ።</verse>
				<verse number="17">መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኦ ጐይታ፥ ንፅዮን ብፀጋኻ ኣፀባብቃ፤ ቅፅሪ ኢየሩሳሌምውን ንደቕ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ብናይ ፅድቂ መስዋእትን፥ ብመባእን ብዝቃፀል መስዋእትን፥ ብምሉእ መስዋእትን ደስ ክብላካ እዩ። ሽዑ ኣብ መሰዊኢኻ ዝራብዓት ክስውኡልካ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="52">
				<verse number="1">ኣታ ሓያል፥ ስለ ምንታይ ብኽፉእ እትምካሕ? ንምንታይከ ዅልሻዕ እትዕምፅ?</verse>
				<verse number="2">ኣንደበትካ ሓጢኣት ይሓስብ፤ ከም ዝተስሓለ መላፀ ጥበራ ገበርካ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ፅቡቕ ንኽፍኣት፥ ፅድቂ ኻብ ምዝራብውን ንዓመፅ ፈተኻ።</verse>
				<verse number="4">ንዅሉ ዘጥፍእ ቃልን፥ መልሓስ ጥበራን ፈተኻ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ እግዚኣብሄር ንሓዋሩ ኸፍርሰካ እዩ፤ ካብ ቤትካውን ክነቕለካ፥ ከፍልሰካውን እዩ፤ ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ፃድቃን ነዙይ ሪኦም ክፈርሑ እዮም፤ ብእኡ እናሰሓቑውን ከምዙይ ይብሉ፦</verse>
				<verse number="7">“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”</verse>
				<verse number="8">ኣነስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝለምለመ፥ ከም ኦም ኣውሊዕ እየ፤ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ፥ ንዓለምን ንዘለኣለምን ተኣሚነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ጌርካለይ ኢኻሞ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ቅዱሳንካ ሰናይ እዩሞ፥ ንስምካ ተስፋ ኽገብር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="53">
				<verse number="1">ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል። ረኸሱ፤ ብበደሎም ድማ ሓሰሩ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን።</verse>
				<verse number="2">ዘስተውዕል፥ ንእግዚኣብሄርውን ዝደሊ እንተ ሃልዩ ኽርኢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ተመልከተ።</verse>
				<verse number="3">ኵላቶም በደሉ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ረኸሱ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን፤ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="4">ንህዝበይ እንጀራ ኸም ዝበልዕ ዝበልዑ፥ ኵሎም ገበርቲ ግፍዒ ኣይፈልጡንዶ? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።</verse>
				<verse number="6">መድሓኒት ካብ ፅዮን ንእስራኤል መን ምሃበ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ክብሎ፤ እስራኤልውን ክሕጐስ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="54">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ብስምካ ኣድሕነኒ፤ ብሓይልኻውን በይነለይ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንቓላት ኣፈይውን ኣድምፅ።</verse>
				<verse number="3">ባዕዳን ኣብ ልዕለይ ተሲኦም ኣለዉ፤ ሓያላትውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉሞ፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይገበርዎን።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ረዳኢየይ እዩ፤ ጐይታይውን ንነፍሰይ ደጋፊኣ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንኽፍኣት፥ ናብ ፀላእተይ ክመልሳ እዩ፤ ብሓቅኻውን ኣጥፍኣዮም።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ ብፍቓደይ መስዋእቲ ኸቕርበልካ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ሰናይ እዩ እሞ፥ ንስምካ ኸመስግን እየ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ኵሉ መከራ ኣድሒኑኒ እዩ እሞ፤ ዓይነይውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ሪኣ እያ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="55">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንምህለላይውን ሸለል ኣይትበል።</verse>
				<verse number="2">ተመልከተኒ፤ ስምዐኒውን፤ ብሓዘነይ ተሃዊኸ ኣለኹ፤ ተናዊፀውን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ድምፂ ፀላእየይን፥ ካብ ግፍዒ ዓመፀኛን ዝተልዓለ፥ ንዓመፅ ኣብ ልዕለይ ደርብዮምለይ እዮምሞ፤ ብቝጥዓውን ፀሊኦምኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀኒ፤ ድንጋፀ ሞትውን ወደቐኒ።</verse>
				<verse number="5">ፍርሓትን ራዕድን መፁኒ፤ ፀልማትውን ሸፈነኒ።</verse>
				<verse number="6">በሪረ ኽዓርፍስ፥ ከም ርግቢ ኽንፊ መን ምሃበኒ? እንሆ ዀብሊለ ምረሓቕኩ፤ ኣብ በረኻውን ምተቐመጥኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ካብ ኣውሎ ንፋስን መሸምቦባን ሃዲመ ምፈጠንኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ኣብታ ኸተማ ግፍዕን ባእስን እርኢ ኣለኹ እሞ፥ ኣስጥሞም፤ ንመላሕሶምውን ቍረፅ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ለይትን መዓልትን ቅፅሪ እታ ኸተማ ይኸብዋ፤ ዓመፅ፥ ድኻም፥ ሓጢኣትውን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ተንኰልን ጥበራን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቑን።</verse>
				<verse number="12">ፀላኢ እንተ ዝፀርፈኒ ምተዓገስክዎ፤ ዝፀልአኒውን ንባዕሉ ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል እንተ ዘብል፥ ካብኡ ምተሓባእኹ ነይረ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻ ግና ማንዛይ፥ ዓርከይን ናይ ልቢ ፈታዊየይን ነበርካ፤</verse>
				<verse number="14">መብልዕ ምሳይ ሓቢርካ ዘጠዓዓምካ፥ ብሓደ ልቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተመላለስና።</verse>
				<verse number="15">ሞት ይምፅኣዮም፤ ብህይወት እንተለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ፤ ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ እግዚኣብሄርውን ሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="17">ምሸትን ጊሓትን ቀትርን እቝዝም፤ እህህውን እብል ኣለኹ፤ ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ልዕለይ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ካብ ዝቐርቡኒ፥ ንነፍሰይ ብሰላም ኣድሕና።</verse>
				<verse number="19">ቤዛ የብሎምንሞ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈርሕዎንሞ፥ ካብ ጥንቲ ዝነበረ እግዚኣብሄር ሰሚዑ የዋርዶም።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ምስኡ ብሰላም ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኢዱ ዘርግሐ፤ ንኺዳኑውን ኣርከሳ።</verse>
				<verse number="21">ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ትካዘካ ኣብ እግዚኣብሄር ደርቢ፤ ንሱውን ኽድግፈካ እዩ፤ ነቲ ፃድቕ ንዘለኣለም ሁከት ኣይህቦን።</verse>
				<verse number="23">ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ናብ ጕድጓድ ሞት ተውርዶም ኢኻ፤ ናይ ደም ሰባትን ጠበርትን ፍርቂ ዕድመኣቶም ኣይነብሩሉን፤ ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="56">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ ሰብ ረጊፁኒ እዩሞ መሓረኒ፤ ኵልሻዕውን ብሰልፊ ኣጨኒቑኒ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ዝዋግኡኒ በዚሖም እዮም እሞ፥ ኵልሻዕ ምሉእ መዓልቲ ረገፁኒ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ግና ፈራሕኹ ብኣኻውን ተኣመንኩ።</verse>
				<verse number="4">ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግኖ፤ ብእግዚኣብሄር ተኣሚነ እየ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?</verse>
				<verse number="5">ኵልሻዕ ንቓላተይ የፀይፉለይ፤ ኵሉ ኣብ ልዕለይ ዝመኽርዎ ንኽፉእ እዩ።</verse>
				<verse number="6">የድብዩለይ፤ ይሕብኡኒውን፤ ንሳቶም ንሸዀናይ ይምልከቱ፤ ኵልሻዕውን ንነፍሰይ የድብዩላ።</verse>
				<verse number="7">ብዝኾነ ይኹን ኣይተድሕኖም፤ ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ክትድርብዮም ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ኣምላኽ፥ ንህይወተይ ነገርኩኻ፤ ንንብዓተይ ከም ትእዛዝካ ኣብ ቅድሜኻ ኣቐመጥካ።</verse>
				<verse number="9">ምስ ፀዋዕኩኻ ፀላእተይ ናብ ድሕሪኦም ክምለሱ እዮም፤ በዙይውን ንስኻ ኣምላኸይ ከም ዝኾንካ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="10">ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግን፤ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኣኽብር።</verse>
				<verse number="11">ብእግዚኣብሄር ተኣሚነ ኣለኹ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ዝህበካ ናይ ምስጋና መብፅዓ ኣለኒ፤ ዘቕርበልካውን ናይ ምስጋና መስዋእቲ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ብብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽመላለስ፥ ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነእጋረይ ካብ ምስንኻል ኣድሒንካ ኢኻሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="57">
				<verse number="1">መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ናብቲ ዝረድአኒ እግዚኣብሄር፥ ናብ ልዑል እግዚኣብሄር አእዊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ሰማይ ልኢኹ ኣድሓነኒ፤ ነቶም ዝረገፁኒ ውርደት ሃቦም፤ እግዚኣብሄር ምሕረቱን ሓቁን ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።</verse>
				<verse number="7">ልበይ ጨካን እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ልበይ ጨካን እዩ፤ ክቕነን ክዝምርን እየ።</verse>
				<verse number="8">ክብረይ ይለዓል፤ በገናን መሰንቆንውን ይለዓሉ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ኽትስእ እየ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ማእኸል ወገናትውን ክዝምረልካ እየ።</verse>
				<verse number="10">ምሕረትካ ኽሳዕ ሰማያት ልዕል ኢሉ እዩሞ፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት እዩሞ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ኣምላኽ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="58">
				<verse number="1">ብሓቂ ፅድቂ እንተትናገሩስ፥ ኣቱም ደቂ ሰብ ብቕንዕና ትፈርዱዶ?</verse>
				<verse number="2">ብልብኹም ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹምሞ፤ በእዳውኩምውን ኣብ ምድሪ ዓመፅ ትፍሕሱ ኣለኹምሞ።</verse>
				<verse number="3">ሓጥኣን ካብ ማህፀን ጀሚሮም ተፈለዩ፤ ካብ ከብዲ ጀሚሮምውን ሰሓቱ፤ ሓሰትውን ተናገሩ።</verse>
				<verse number="4">ቍጥዓኦም ከም መርዚ ተመን እዩ፤ ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ፈላጥ እንትደግመላ፥ ቃል ኣስማተኛ ኸም ዘይትሰምዕ ኣራዊት ምድሪ እዮም።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ነስናኖም ኣብ ውሽጢ ኣፎም ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ።</verse>
				<verse number="7">ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ዝመክኽ ሽምዒ ኽሃልቁ እዮም፤ ከምቲ ቝላዕ ሰበይቲ ፀሓይ ኣይርኣዩ።</verse>
				<verse number="9">ዕሾኽኩም እንተይተፈልጠ በትሪ ኾነ፤ ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ፃድቕ ምፍዳይ ሕነ ሪኡ ይሕጐስ፤ ብደም እቲ ሓጢኣተኛውን ኢዱ ይሕፀብ።</verse>
				<verse number="11">ሰብውን፦ “ብሓቂ ንፃድቕ ፍረ ኣለዎ፤ ኣብ ምድሪ፥ ብሓቂ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ” ይብል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="59">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ፀላእተይ ኣድሕነኒ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተስኡውን ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ገበርቲ ኽፉእ ኣድሕነኒ፤ ካብ ናይ ደም ሰባት ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ንነፍሰይ ይሃድንዋ ኣለዉ፤ ሓያላትውን ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኦ ጐይታ፥ ብበደለይ ኣይኮነን፤ ብሓጢኣተይውን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="4">ብዘይ በደል ጐየኹ፤ ተዳለኹውን፤ ተስእ፤ ተቐበለኒ፤ ረአውን።</verse>
				<verse number="5">ንስኻውን ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ሓያላት፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ኣህዛብ ክትምልከቶም ተልዓል፤ ዓመፅ ንዝገብሩ ዅሎም ኣይትምሓሮም።</verse>
				<verse number="6">ምሸት ይመለሱ፤ ከም ኣኽላባት ድማ ይጥመዩ፤ ኣብ ከተማ ኸዓ ይዙሩ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ ብኣፋቶም ኣስሚዖም ይናገሩ ኣለዉ፤ ሰይፊ ኣብ ከንፈሮም ኣሎ፤ “መንከ ኸይሰምዐና?” ድማ ይብሉ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻ ግና ኦ ጐይታ ትስሕቆም፤ ንዅሎም ኣህዛብውን ትንዕቖም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር መፀግዕየይ እዩሞ፥ ንሓይለይ ናባኻ ኣዕቝቦ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ሕያዋይነት ኣምላኸይ ይርከበኒ፤ ኣምላኸይ፥ ኣብ ፀላእተይ የርእየኒ።</verse>
				<verse number="11">ሕግኻ ኸይርስዑስ ኣይትቕተሎም፤ ኦ ዋልታይ፥ ብሓይልኻ በትኖምን ኣውርዶምን።</verse>
				<verse number="12">ስለ ሓጢኣት ኣፎም ስለ ቓል ከንፈሮም መርገምን ሓሰትን ስለ ዝናገሩ፥ ብትዕቢቶም ይፃወዱ።</verse>
				<verse number="13">ብቝጥዓኻ ኣጥፍኣዮም፤ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ድማ ኣጥፍኣዮም፤ ኣምላኽ ያእቆብውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኸም ዝገዝእ ይፍለጡ።</verse>
				<verse number="14">ምሸት ይመለሱ፤ ከም ኣኽላባትውን ይጥመዩ፤ ኣብ ከተማውን ይዙሩ።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ዝብላዕ ደልዮም ይዙሩ፤ እንተ ዘይፀገቡ ድማ የጕረምርሙ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ግና ስለ ሓይልኻ ኽዝምር እየ፤ ብምሕረትካውን ንጉሆ ደስ ይብለኒ፤ ብመዓልቲ መከራይ መፀግዕየይን እምባይን ኴንካኒ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ መፀግዕየይን ምሕረተይን ኢኻሞ፥ ኦ ረዳእየይ፥ ንኣኻ ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="60">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ደርበኻና፤ ኣፍረስካናውን፤ ተቘጣዕኻና፤ ይቕረውን በልካና።</verse>
				<verse number="2">ንምድሪ ኣናወፅካያ፤ ሃወኽካያውን፤ ተናዊፃ እያሞ ቝስላ ፈውስ።</verse>
				<verse number="3">ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርአኻዮም፤ ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና።</verse>
				<verse number="4">ካብ ፍላፃ ፀላኢ ምእንቲ ኸምልጡ፥ ነቶም ዝፈርሑኻ ምልክት ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="5">እቶም ፈተውትኻ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ብየማንካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ብቕድስናኡ ተናገረ፤ “ደስ እናበለኒ፥ ንሴኬም ክማቐል እየ፤ ንለሰ ሱኮትውን ብመለክዒ ኽልክዖ እየ።</verse>
				<verse number="7">ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳውን ንጉሰይ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ሞኣብ መሕፀብየይ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ሳእነይ ክዝርግሕ እየ፤ ፍልስጥኤም ክግዝኡለይ እዮም።”</verse>
				<verse number="9">ናብታ ፅንዕቲ ኸተማ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶምያስከ መን ይመርሐኒ?</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ዝደርበካና ንስኻዶ ኣይኮንካን? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን ኢኻ!</verse>
				<verse number="11">ብመከራና ረድኤት ሃበና፤ ምድሓን ሰብውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብእግዚኣብሄር ሓይሊ ንገብር፤ ንሱውን ንዘጨንቑና ኸዋርዶም እዩሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="61">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ፀሎተይውን ኣድምፅ።</verse>
				<verse number="2">ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ቅድሚ ፀላኢ፥ ፅኑዕ ግንቢ፥ ተስፋይውን ኴንካኒ ኢኻሞ መራሕኻኒ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ድንኳንካ ንዘለኣለም ክነብር እየ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብፅዓይ ሰሚዕኻ ኢኻሞ፤ ስምካ ንዝፈርሑ ርስቲ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="6">ንንጉስ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ፥ መዓልቲ ትውስኸሉ፤ ዘመኑውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ይኸውን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነብር፤ ክሕልዋኦ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣዳልወሉ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡ ንስምካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ እዙይውን መብፅዓይ ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="62">
				<verse number="1">ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።</verse>
				<verse number="2">ኣምላኸይን መድሓኒተይንውን ንሱ እዩሞ፤ ንሱ መፀግዕየይ እዩ፤ ፈፂመ ኣይናወፅን እየ።</verse>
				<verse number="3">ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ኣብ ልዕሊ ሰብ እትቖሙ? ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ከም ዝዘንበለ መንደቕ፥ ከም ዝፈረሰ ቕፅሪ ትቐትሉ።</verse>
				<verse number="4">ግና ንኽብረይ ክስዕሩ መኸሩ፤ ሓሰትውን ፈተዉ፤ ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ።</verse>
				<verse number="5">ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኣምላኸይን መድሓኒተይን እዩሞ፤ ዕርደይ ንሱ እዩ፤ ፈፂመ ኣይህወኽን እየ።</verse>
				<verse number="7">ምድሓነይን ክብረይን ብእግዚኣብሄር እዩ፤ ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።</verse>
				<verse number="9">ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ሓደሻዕ ተናገረ፤ ኣነውን ነዙይ ጥራሕ ሰማዕኹ፤ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትውን ናትካ እዩ፤ ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="63">
				<verse number="1">ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት።</verse>
				<verse number="2">ከምኡውን ሓይልኻን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፥ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ተመልከትኩኻ።</verse>
				<verse number="3">ምሕረትካ ኻብ ህይወት ይበልፅ እዩሞ፥ ከናፍረይ የመስግናኻ።</verse>
				<verse number="4">ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ።</verse>
				<verse number="5">ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ረዳእየይ ኴንኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ነፍሰይ ደድሕሬኻ ተኸተለት፤ ነኣይውን የማነይትኻ ተቐበለትኒ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ግና ንነፍሰይ ንኸንቱ ደለይዋ፤ ናብ መዓሙቕ ምድሪ ኽወርዱ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ኢድ ሰይፊ ይወሃቡ፤ ግደ ወኻሩትውን ይኾኑ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ግና ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ እዩ፤ ኵሉ ብእኡ ዝምሕል ክኸብር እዩ፤ ኵሉ ሓሰት ዝናገር ኣፍ ግና ክዕበስ እዩሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="64">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ዝለመንኩዎ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ንፀላኢ ኻብ ምፍራሕ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና።</verse>
				<verse number="2">ካብ ሻራ ኽፉኣትን፥ ካብ ብዝሒ ገበርቲ ዓመፅን ሰውረኒ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም መሪር ነገር ንምግባር፥ መልሓሶም ከም ሰይፊ ኣብልሑ፤</verse>
				<verse number="4">ንንፁህውን ብስውር ንምውጋእ ቀስቶም ገተሩ፤ ድንገት ይነድፍዎ፤ ኣይፈርሑንውን።</verse>
				<verse number="5">ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።</verse>
				<verse number="6">ንዓመፃ ደለዩ፤ እናፈተኑውን ሃለቑ፤ ናይ ሰብ ሓሳቡን ልቡን ዓሚቝ እዩ!</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ይብል፤ ድንገትውን ብፍላፃ ይቘስሉ።</verse>
				<verse number="8">ኣንደበቶም ድማ የሰናኽሎም፤ ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ።</verse>
				<verse number="9">ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።</verse>
				<verse number="10">ፃድቕ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ብእኡ ኸዓ ይእመን፤ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ዕልል ክብሉ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="65">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ንኣኻ ይግባእ፤ ንኣኻውን ፀሎት ክቐርብ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።</verse>
				<verse number="3">ነገር ዓመፅቲ ሓየለና፤ ሓጢኣትናስ ንስኻ ይቕረ ትብለልና ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ዝመረፅካዮ፥ ኣብ ኣደባባይካውን ክሓድር ዝተቐበልካዮ ብፁእ እዩ፤ ካብ ቤትካ በረኸት ክንፀግብ ኢና።</verse>
				<verse number="5">ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።</verse>
				<verse number="6">ንእምባታት ብሓይልኻ ኣፅናዕኻዮም፤ ሓይሊውን ተዓጠቕካ።</verse>
				<verse number="7">ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ተኣምራትካ ዝተልዓለ ኣህዛብ ይድንግፁ፤ ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩውን ይፈርሑ፤ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም።</verse>
				<verse number="9">ንምድሪ ተመልከትካያ፤ ኣርወኻያውን፤ ንሃብታውን የመና ኣብዛሕኻዮ፤ ፈለግ እግዚኣብሄር ማይ ዝመልአ እዩ፤ ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም።</verse>
				<verse number="10">ንትልምታታ ተርውዮ፤ ነዝመራኣውን ትሰርዖ፤ ብነጠብጣብ ተለስልሳ፤ ንበቝላውን ትባርኾ።</verse>
				<verse number="11">ነታ ዓመት ብሕያዋይነትካ ትኽልላ፤ ምድረ በዳውን ኣውሊ ኽፀግብ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እምባታት ምድረ በዳውን ክረውዩ እዮም፤ ኰረብታታትውን ብሓጐስ ይዕጠቑ።</verse>
				<verse number="13">ሜዳታት ብመጓሰ ተመልኡ፤ ለሰታት ድማ ብእኽሊ ተሸፈኑ፤ ብሓጐስ ዕልል ይብሉን ይዝምሩን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="66">
				<verse number="1">ኵልኹም ኣብ ምድሪ ዘለኹም፥ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="2">ንስሙውን ዘምሩ፤ ንምስጋናኡውን ክብሪ ሃቡ።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በልዎ፦ ስራሕኻ ግሩም እዩ፤ ሓይልኻ ብዙሕ እንትኸውን ፀላእትኻ ሓሰዉኻ።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ንኣኻ ኽሰግዱ፤ ንኣኻ ኽዝምሩ፥ ንስምካውን ክዝምሩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንዑ ስራሕ እግዚኣብሄር ረአዩ፤ ካብ ደቂ ሰብ ብምኽሩ የመና ግሩም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንባሕሪ ንቑፅ ምድሪ ዝገበራ፥ ንሩባውን በእጋሮም ሰገርዎ፤ ኣብኡ ብእኡ ደስ ይብለና።</verse>
				<verse number="7">ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ፤ ኣዒንቱ ድማ ንኣህዛብ ይምልከታ፤ ዓመፀኛታት ንርእሶም ልዕል ልዕል ኣየብሉ።</verse>
				<verse number="8">ኣቱም ኣህዛብ፥ ንኣምላኽና ባርኽዎ፤ ድምፂ ምስጋናኡውን ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="9">ንነፍሰይ ብህይወት የንብራ፤ ነእጋረይውን ንምንዋፅ ኣሕሊፉ ኣይህበንን።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፈተንካና፤ ንብሩር ከም ዝፍትንዎውን ፈተንካና።</verse>
				<verse number="11">ናብ መፈንጠር ኣእተኻና፤ ኣብ ዝባንና መከራ ኣንበርካ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ኣራእስና ብሰብ ኣርገፅካና፤ ብማእኸል ሓዊን ማይን ኣሕለፍካና፤ ናብ ዕረፍቲ እውን ኣውፃእኻና።</verse>
				<verse number="13">ምስ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ መቕደስካ ኽኣቱ እየ።</verse>
				<verse number="14">ብጊዜ መከራይ ብኣፈይ ዝተዛረብኩዎ፥ ብኸናፍረይውን ዝበልክዎ መብፅዓይ፥ ንኣኻ ኽፍፅም እየ።</verse>
				<verse number="15">ዕጣን ምስ ስቡሓት ኣባጊዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዕ ኸቕርበልካ እየ፤ ኣብዑርን ኣጣልንውን ክስውአልካ እየ።</verse>
				<verse number="16">ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ዅልኹም፥ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ።</verse>
				<verse number="17">ብኣፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፤ ብልሳነይውን ኣመስገንክዎ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ልበይ በደል ሪአ እንተ ዝኸውን፥ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዐንን ነይሩ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ ናብ ድምፂ ልመናይ ድማ ኣድመፀ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ንፀሎተይ ዘይከልአኒ፥ ምሕረቱውን ካባይ ዘየርሓቐ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="67">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ይምሓረና ይባርኸናውን፤ ገፁውን ኣብ ልዕሌና የብርህ።</verse>
				<verse number="2">መንገድኻ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ምድሓንካውን ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክፍለጥስ፥ ገፅካ ኣብርሀልና።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ የመስግኑኻ፤ ኵሎም ኣህዛብውን የመስግኑኻ።</verse>
				<verse number="4">ንኣህዛብ ብቕንዕና ትፈርደሎም ኢኻሞ፥ ኣብ ምድሪ እውን ንኣህዛብ እትመርሖም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኣህዛብ ይተሓጐሱ፤ ሓሴትውን ይግበሩ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ የመስግኑኻ፤ ኵሎም ኣህዛብውን የመስግኑኻ።</verse>
				<verse number="6">ምድሪ ፍረኣ ሃበት፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ኽባርኸና እዩ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄርውን ክባርኸና እዩ፤ ኵሎም ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኽፈርሕዎ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="68">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ይተስእ፤ ፀላእቱውን ይበተኑ፤ እቶም ዝፀልእዎ ኸዓ ኻብ ገፁ ይህደሙ።</verse>
				<verse number="2">ትኪ ኸም ዝበንን፥ ከምኡ ይብነኑ። ሽምዒ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ከምኡውን ሓጥኣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይጥፍኡ።</verse>
				<verse number="3">ፃድቃን ግና ይተሓጐሱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓሴት ይግበሩ፤ ብደስታውን ደስ ይበሎም።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ተቐነዩ፤ ንስሙውን ዘምሩ፤ ነቲ ናብ ምድረ በዳ ዝወፀውን መንገዲ ግበሩ፤ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ተሓጐሱ፤ ኣብ ቅድሚ ገፁውን ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ፥ ንደኽታማት ኣቦ፥ ንመበለታት ድማ ዳኛ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ነቶም በይንቶም ዝኾኑ ኣብ ስድራ የሕድሮም፤ ንእሱራትውን ብሓይሉ የውፅኦም፤ ዓመፀኛታት ግና ኣብ ምድረ በዳ ይነብሩ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ቀቅድሚ ህዝብኻ ምስ ወፃእኻ፥ ብምድረ በዳውን ኽትሓልፍ እንተለኻ፥ ምድሪ ተናወፀት፤</verse>
				<verse number="8">ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ዝናም ሞገስ ንርስትኻ ኣዝነምካ፤ ምስ ደኸመውን ንስኻ ኣፅናዕኻዮ።</verse>
				<verse number="10">እንስሳትካውን ኣብኡ ይሓድሩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብሕያዋይነትካ ንድኻታት ኣዳሎኻሎም።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ቃሉ ሃበ፤ እቶም ዘውርዩ ድማ ብዙሓት ሰራዊት እዮም።</verse>
				<verse number="12">ናይ ሰራዊት ነገስታት ቀልጢፎም ይሃድሙ፤ እታ ኣብ ገዛ እትነብርውን ምርኮ ተኻፈለት።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ማእኸል ርስትታት እንተ ሓደርኩም፥ ካብ ብሩር ከም ዝተሰርሑ ኣኽናፍ ርግቢ፥ ብቘፅሊ ወርቂ ኸም ዝተለበጡ፥ ክንቲታት ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ሰማያዊ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣ ምስ ኣዘዘ፥ ኣብ ልዕሊ ሰልሞን በረድ ይዘንም።</verse>
				<verse number="15">እምባ እግዚኣብሄር ዝለምለመ እምባ እዩ፤ ፅኑዕ እምባን ዝለመለመ እምባን እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ፅኑዓት እምባታት ንምንታይ ይለዓሉ? ነዝ እምባ እዙይ እግዚኣብሄር መሕደሪኡ ክኸውን ፈተዎ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኽሓድረሉ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ምርኮ ማሪኽካ ናብ ኣርያም ዓረግካ፤ ውህብቶውን ንደቂ ሰብ ሃብካ፤ ኣብኡ ምእንቲ ኽሓድሩስ፥ ንዓመፀኛታትውን ሃብካ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቡሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር በብመዓልቱ ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒትና ይረድአና።</verse>
				<verse number="20">ኣምላኽና ኣምላኽ ምድሓን እዩ፤ ካብ ሞት ምድሓንውን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="21">ግና እግዚኣብሄር ኣራእስ ፀላእቱ ይሰብር፤ ነቲ ብበደሉ ዝመላለስ፥ ጐታን መንበስበስታኡ ኽጭፍልቕ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ካብ ባሳን ከምፅኦም እየ፤ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ እውን ክምልሶም እየ፤</verse>
				<verse number="23">ኣእጋርካ ኣብ ደም ምእንቲ ኽረግፃ፥ መልሓስ ኣኽላባትካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ምእንቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ናይ ኣምላኸይ ናይ ንጉስ መንገዲ ኣብ መቕደሱ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ተገለፀ።</verse>
				<verse number="25">ኣሕሉቕ ቀደሙ፤ መዘምራንውን ሰዓቡ፤ ከበሮ ዝወቕዓ ደናግል ኣብ ማእኸል ነበራ።</verse>
				<verse number="26">ንእግዚኣብሄር ብማሕበር፥ ንጐይታናውን ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="27">መንእሰይ ብንያም ብሓይሉ ኣብኡ ኣሎ፤ ገዛእቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ኣሕሉቕ ዛብሎንን፥ ኣሕሉቕ ንፍታሌምን ኣለዉ።</verse>
				<verse number="28">ኦ ጐይታ፥ ንሓይልኻ ኣዝዝ፤ ኦ ጐይታ፥ ነቲ ንኣና ዝሰራዕኻዮ ኣፅንዓዮ።</verse>
				<verse number="29">ስለ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስካ፥ ነገስታት ንኣኻ ውህብቶ ኸምፅኡ እዮም።</verse>
				<verse number="30">ነቶም ኣብ ውሽጢ ሻምበቆ ዘለዉ ኣራዊት፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣህዛብ ዘለዉ፥ ማሕበር ኣብዑርን ምራኹትን ገስፆም። እቶም ከም ብሩር ዝተፈተኑ ኣህዛብ ከይዕፀዉ፥ ነቶም ውግእ ዝፈትዉ ኣህዛብ በትኖም።</verse>
				<verse number="31">መኳንንቲ ኻብ ግብፂ ኽመፁ እዮም፤ ኢትዮጵያ ኸዓ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ እግዚኣብሄር ክትዝርግሕ እያ።</verse>
				<verse number="32">ኵልኻትኩም ነገስታት ምድሪ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ንጐይታውን ዘምሩ።</verse>
				<verse number="33">ብወገን ምብራቕ ብዘሎ ሰማይ ኣቢሉ፥ ናብ ሰማየ ሰማያት ንዝዓረገ እግዚኣብሄር ዘምሩ። እንሆ፥ ቃል ሓይሊ ዝኾነ ቓሉ ይህብ ኣሎ።</verse>
				<verse number="34">ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃቡ፤ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፥ ሓይሉውን ኣብ ልዕሊ ደበናታት እዩ።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቕዱሳኑ ዘደንቕ እዩ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንህዝቡ ሓይልን ፅንዓትን ይህብ። እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="69">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ማይ ክሳዕ ነፍሰይ በፂሑኒ እዩሞ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።</verse>
				<verse number="3">ብምእዋይ ደኸምኩ፤ ጐረሮይውን ነቐፀ፤ ንኣምላኸይ እናተፀበኹ ኣዒንተይ ፈዘዛ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ስንፍናይ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሓጢኣተይውን ካባኻ ኣይሕባእን።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቶም ተስፋ ዝገብሩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፤ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፥ እቶም ዝደልዩኻ ብኣይ ኣይሕሰሩ።</verse>
				<verse number="7">ምእንታኻ ፀርፊ ተዓጊሰ ኣለኹሞ፥ ንገፀይውን ሕፍረት ጐልበቦ።</verse>
				<verse number="8">ነሕዋተይ ከም ባዕዲ፥ ንደቂ እኖይውን ከም ጋሻ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="9">ቅንዓት ቤትካ በሊዑኒ ኣሎ፤ ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።</verse>
				<verse number="10">ንነፍሰይ ብፆም ቀፃዕኽዋ፤ ንፀርፊውን ኮነኒ።</verse>
				<verse number="11">ወጮ ተኸደንኩ፤ መመሰሊውን ኮንክዎም።</verse>
				<verse number="12">እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ ኣነ ግና፥ ብቕብልቲ ጊዜ ፀሎተይ ናባኻ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ብሓቂ ምድሓንካውን መልሰለይ።</verse>
				<verse number="14">ከይውሕጠኒ ኻብ ረግረግ ኣውፅአኒ፤ ካብ ፀላእተይን ካብ መዓሙቕ ማያትን ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="15">ማዕበላት ማይ ኣየስጥመኒ፤ ቃላይ ድማ ኣይውሓጠኒ፥ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይዕፆ።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ሰናይ እዩ እሞ ስምዐኒ፤ ከም ብዝሒ ርህራሄኻ ናባይ ተመልከት።</verse>
				<verse number="17">ካብ ባርያኻ ገፅካ ኣይትሰውር፤ ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ።</verse>
				<verse number="18">ንነፍሰይ ጠምታ፤ ተቤዘዋውን፤ ስለ ፀላእተይውን ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ፀርፈይን፥ ሕፍረተይን፥ ሓሳረይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኵሎም እቶም ዘጨንቑኒ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="20">ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።</verse>
				<verse number="22">ማእዶም ኣብ ቅድሚኣቶም፥ ንመፃወድያ ንፍዳ ንዕንቅፋት ትኹኖም።</verse>
				<verse number="23">ኣዒንቶም ከይሪኣ ይፀልምታ፤ ዝባናቶምውን ኵልሻዕ ይጕበጥ።</verse>
				<verse number="24">መዓትካ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍስስ፤ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ይርከቦም።</verse>
				<verse number="25">መሕደሪኦም በረኻ ይኹን፤ ኣብ ድንኳናቶም ዝነብር ኣይረኸብ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቶም ሓጢኣት ወስኮም፤ ናብ ፅድቅኻውን ኣይእተዉ።</verse>
				<verse number="28">ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።</verse>
				<verse number="29">ኣነ ነዳይን ቍሱልን እየ፤ ኦ ጐይታ፥ መድሓኒት ገፅካ ይቀበለኒ።</verse>
				<verse number="30">ንስም እግዚኣብሄር ብመዝሙር ከመስግኖ እየ፤ ብምስጋናውን ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።</verse>
				<verse number="31">እዙይውን፥ ቀርንን ፅፍርን ካብ ዘብቈለ ዝራብዕ ብዝበለፀ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ።</verse>
				<verse number="32">ድኻታት ነዙይ ሪኦም ይተሓጐሱ፤ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ህያዋንውን ኩኑ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም እዩሞ፤ ነቶም እሱራትውን ኣይንዕቕን እዩሞ።</verse>
				<verse number="34">ሰማይን ምድርን ባሕርን፥ ኣብኣ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="35">እግዚኣብሄር ንፅዮን ከድሕና እዩሞ፤ ከተማታት ይሁዳውን ክሃንፅ እዩሞ፤ ኣብኣ ክነብሩን ክወርስዋን እዮም።</verse>
				<verse number="36">ዘርኢ ባሮቱ ኽነብርዋ እዮም፤ ስሙ ዝፈትዉውን ኣብኣ ኽነብሩ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="70">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምድሓን ተመልከት፤ ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምርዳእውን ፍጠን።</verse>
				<verse number="2">እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ፥ ይሕፈሩን ይሕሰሩን፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ክፉእ ዝመኽሩ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።</verse>
				<verse number="3">እቶም “እንኳዕ፥ እንኳዕ” ዝብሉኒ፥ ሓፊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም እቶም ዝደልዩኻ ደስ ይበሎምን ይተሓጐሱን፤ እቶም ምድሓንካ ዝደልዩ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ “ዓብዪ እዩ!” ይበሉ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ፤ ኦ ጐይታ ርድአኒ፤ ኦ ጐይታ ረዳእየይን፥ መናገፊየይን፥ ንስኻ ኢኻሞ ኣይትደንጒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="71">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ፤ ንዘለኣለም ኣይሕፈር።</verse>
				<verse number="2">ብፅድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣድሕነኒውን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ፅኑዕ ቦታ ምእንቲ ኽተድሕነኒ፥ ኣምላኽን መሕብእን ኩነኒ፤ ሓይለይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻሞ፥ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን፥ ካብ ኢድ ዓማፅን ገፋዕንውን ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ተስፋይ ኢኻሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መተኣማመኒየይ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፤ ካብ ማህፀን ወላዲተይ ጀሚሩውን ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ ብርቱዕ መዕቘቢ ስለ ዝኾንካኒ፥ ንብዙሓት መደነቒ ኾንክዎም።</verse>
				<verse number="8">ኵልሻዕ ኽብርኻን ግርማኻን ንኽዝምር፥ ንኣፈይ ምስጋናኻ ምላእ።</verse>
				<verse number="9">ኣምላኸይ ብጊዜ እርግናይ ኣይትደርብየኒ፤ ሓይለይ ምስ ተወድአውን ኣይትሕደገኒ።</verse>
				<verse number="10">ፀላእተይ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡ ኣለዉ፤ እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋውን፥ ከምዙይ ኢሎም ሓቢሮም ተማኸሩ፦</verse>
				<verse number="11">“ኣምላኽ ሓዲግዎ እዩ፤ ዘናግፎ የለን እሞ ተኸቲልኩም ሓዝዎ።”</verse>
				<verse number="12">ኦ ኣምላኽ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።</verse>
				<verse number="13">እቶም ንነፍሰይ ዝፃረሩዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፤ እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩውን ሕፍረትን ሓሳርን ይከደኑ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ግና ዅልሻዕ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኽ እየ።</verse>
				<verse number="15">ቍፅሩ ኣይፈልጦንሞ፥ ኣፈይ ፅድቅኻ፥ ኵሉ ጊዜውን ምድሓንካ ይናገር</verse>
				<verse number="16">ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ ኣርያም ዓበይቲ ነገራት ገበርካ፤ ኦ ኣምላኽ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?</verse>
				<verse number="20">ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ኣርአኻኒ፤ ግና ተመሊስካ ህያው ገበርካኒ፤ ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።</verse>
				<verse number="21">ንፅድቅኻውን ኣብዛሕኻዮ፤ ተመሊስካውን ኣሐጐስካኒ፤ ካብ መዓሙቕውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።</verse>
				<verse number="22">ኣነውን ብበገና፥ ስለ ሓቅኻ ኸመስግነካ እየ፤ ኣታ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።</verse>
				<verse number="23">ክዝምረልካ እንተለኹ ኸናፍረይን፥ እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን ደስ ይብለን።</verse>
				<verse number="24">እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="72">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ! ፍትሕኻ ንንጉስ፥ ፅድቅኻ ድማ ንወዲ ንጉስ ሃብ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ንህዝብኻ ብፅድቂ፥ ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።</verse>
				<verse number="4">ንዝተሸገሩ ህዝብኻ ብሓቂ ትፈርደሎም፤ ንደቂ ምስኪናትካ ድኻታትውን ተድሕኖም፤ ነቲ ዕቡይ ድማ ኽተዋርዶ ኢኻ።</verse>
				<verse number="5">ፀሓይ ብዝነብረሉ ዅሉ ዘመን፥ ኣብ ቅድሚ ወርሒውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸም ህቦ ኣብ ልዕሊ ሰውሒ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘንጠብጥብ ነጠብጣብውን ይወርድ።</verse>
				<verse number="7">ብዘመኑ ፅድቂ ይዕምብብ፤ ወርሒ ክሳዕ እትሓልፍውን ብዙሕ ሰላም ክህሉ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ቅድሚኡ ኢትዮጵያ ኽሰግዱ እዮም፤ ፀላእቱ ኸዓ ሓመድ ክቝሕሙ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ውህብቶ ኸምፅኡሉ እዮም፤ ነገስታት ሳባን ዓረብን ድማ ገፀ በረኸት ከቕርቡሉ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸዓ ኽሰግዱሉ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ረዳኢ ንዘይብሉ ምስኪንን፤ ንድኻን ካብ ኢድ ዝዕምፆ የድሕኖ።</verse>
				<verse number="13">ንምስኪናትን ንድኻታትን ይርህርሀሎም፤ ንነፍሲ ድኻታትውን የድሕን።</verse>
				<verse number="14">ንነፍሶምውን ካብ ጥቕዓትን ካብ ግፍዕን የድሕን፤ ስሙውን ኣብ ቅድሚኣቶም ክቡር እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ብህይወት ይነብር፤ ካብ ዓረብውን ወርቂ ይህብዎ፤ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ይፅልዩ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ክባርኽዎ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኣብ ልዕሊ እምባታት መፀግዒ ክኸውን እዩ፤ ፍረኡውን ካብ ኦም ሊባኖስ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ከም ሳዕሪ ምድሪ ኽበቍል እዩ።</verse>
				<verse number="17">ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።</verse>
				<verse number="18">በይኑ ዘደንቕ ተግባራት ዝገብር፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="19">ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!</verse>
				<verse number="20">ፀሎት ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብዙይ ተፈፀመ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="73">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ልቦም ቅኑዕ ንዝኾነ፥ ንእስራኤል ከመይ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ግና ኣእጋረይ ክሰናኸላ፥ ኣካይዳይውን ከንደልህፅ ቀሪበ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="3">ሰላም ሓጢኣተኛታት ሪአ፥ ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ።</verse>
				<verse number="4">ንሞቶም ፃዕሪ የብሉን፤ ሓይሎምውን ጥንኩር እዩ።</verse>
				<verse number="5">ከም ሰብ ኣብ ድኻም ኣይኮኑን፤ ምስ ሰብውን ኣይተገረፉን።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ትዕቢት ሓዞም፤ ንሓጢኣትን ንበደልን ከም ክዳን ተወንዘፍዋ።</verse>
				<verse number="7">ኣዒንቶም ስብሒ ስለ ዝኾነ ወፀ፤ ልቦምውን ካብ ዝምነይዎ ንላዕሊ ረኸበ።</verse>
				<verse number="8">ሓሲቦም ክፉእ ነገር ተናገሩ፤ ልዕል ልዕል ኢሎምውን ብዓመፃ ተናገሩ።</verse>
				<verse number="9">ኣፎም ኣብ ሰማይ ኣንበሩ፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ተመላለሰ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ህዝበይ ናብዙይ ይምለሱ፤ ፍፁም ጊዜ ኣብ ልዕሊኣቶም ይርከብ።</verse>
				<verse number="11">“እግዚኣብሄር ከመይ ይፈልጥ? እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ?” ይብሉ።</verse>
				<verse number="12">እንሆ፥ እዞም ሓጥኣን እዚኣቶም ይሕጐሱ ኣለዉ፤ ኵልሻዕውን ሃብቶም የብዝሑ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">ከምዙይውን በልኩ፦ ኣነ ብኸንቱ እየ ንልበይ ዘፅደቕክዋ፤ ነእዳወይውን ብኸንቱ ብንፅህና ሓፀብኩ።</verse>
				<verse number="14">ኵልሻዕውን ዝተገረፍኩ ኾንኩ፤ ፀርፈይውን በብንግሆ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ኢለ እንተ ዝናገር ነይረስ፥ ንትውልዲ ደቅኻ ምበደልኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="16">ንኽፈልጥ ኢለውን ሓሰብኩ፤ እዙይ ግና ኣብ ቅድመይ ኣፀጋሚ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝኣቱ፥ ንፍፃሜኣቶምውን ክሳዕ ዘስተውዕል ተሸገርኩ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ መንደልሃፂ ስፍራ ኣንበርካዮም፤ ናብ ጥፍኣትውን ደርበኻዮም።</verse>
				<verse number="19">ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ሕልሚ ኸም ዝነቅሕ፥ ኦ ጐይታ፥ ምስ ነቓሕኻ ንምልክቶም ተነውሮ።</verse>
				<verse number="21">ልበይ ነዲዱ ኢዩሞ፤ ኰላሊተይውን መኺኹ እዩሞ።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ዝተንዓቕኩ እየ፤ ኣይፈለጥኩንውን፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="23">ግና ኣነ ዅልሻዕ ምሳኻ እየ፤ የማነይቲ ኢደይ ሓዝካኒ።</verse>
				<verse number="24">ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?</verse>
				<verse number="26">ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።</verse>
				<verse number="28">ንኣይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ይሕሸኒ፤ ብበርታት ጓል ፅዮን ኵሉ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽናገር፥ መተኣማመንየይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="74">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ስለ ምንታይ ንሓዋሩ ደርበኻና? ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣባጊዕኻኸ ንምንታይ ቍጥዓ ተቘጣዕኻ?</verse>
				<verse number="2">ኣቐዲምካ ንዝፈጠርካያ ማሕበርካ፥ ንዝተቤዘኻያ በትሪ ርስትኻ፥ ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር።</verse>
				<verse number="3">ፀላኢ ኣብ ቅዱሳንካ ኸም ዘኽፍአ መጠን፥ ኵልሻዕ ኣብ ትዕቢቶም ኢድካ ኣልዕል።</verse>
				<verse number="4">ፀላእትኻ ኣብ ማእኸል በዓልካ ተመክሑ፤ ዘይፈልጥዎ ምልክትውን ምልክት ገበሩ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ላዕለዋይ መእተዊ፥ ከምቶም ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም፥ ንበሪታታ ብማሕፀ ሰበሩ።</verse>
				<verse number="6">ከምኡ ብማሕፀን ብመዶሻን ገይሮም ሰበርዎ።</verse>
				<verse number="7">ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንደድዋ፤ ንመሕደሪ ስምካውን ኣብ ምድሪ ኣርከስዋ።</verse>
				<verse number="8">ብልቦም ሓደ ኾይኖም በብህዝቦም፥ ንዑ ንበዓላት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ንስዓር በሉ።</verse>
				<verse number="9">ምልክታትና ኣይንርእን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ነቢይ የለን፤ ክሳዕ መኣዝ ከም ዝነብር ዝፈልጥ ኣባና የለን።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ እዩ ፀላኢ ዝፃረፍ? ክሳዕ መኣዝ እዩኸ ፀላኢ ንስምካ ዘቃልሎ?</verse>
				<verse number="11">የማንካ ኻብ ማእኸል መንኰራርዕትኻ፥ ኢድካውን ንምንታይ ፈፂምካ እትምልስ?</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ግና ቅድሚ ዓለም ንጉስ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ ኣፅናዕኻያ፤ ኣራእስ ኣትማን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰበርካ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻውን ኣራእስ ገበል ቀጥቀጥካ፤ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምግቦም ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="15">ዓይኒ ማያትን ወሓዝትን ሰንጠቕካ፤ ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ።</verse>
				<verse number="16">መዓልቲ ናትካ እያ፤ ለይቲውን ናትካ እያ፤ ንስኻ ንወርሕን ንፀሓይን ኣፅናዕኻየን።</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ሰራሕኻ፤ ንሓጋይን ንኽረምትን ንስኻ ገበርካዮ።</verse>
				<verse number="18">ነዝ ፍጥረትካ እዙይ ዘክር፤ ፀላኢ ንእግዚኣብሄር ኣባጨወሉ፤ ሰነፍ ህዝቢ እውን ንስሙ ኣቘጥዖ።</verse>
				<verse number="19">ነታ እትግዝአልካ ነፍሲ፥ ንኣራዊት ኣይትሃባ፤ ንነፍሲ እቶም ሽግረኛታትካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።</verse>
				<verse number="20">ናይ ምድሪ ናይ ፀልማት ስፍራታት፥ ብገዛውቲ ሓጥኣን ተመሊአን እየንሞ፥ ናብ ኪዳንካ ተመልከት።</verse>
				<verse number="21">ድኻ ሓፊሩ ኣይመለስ፤ ምስኪንን ድኻን ንስምካ የመስግኑ።</verse>
				<verse number="22">ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ በቐልካ ተበቀል፤ ሰነፋት ኵልሻዕ ዘባጨዉልካ ዘክር።</verse>
				<verse number="23">ቃል ባሮትካ ኣይትረስዕ፤ ኵርዓት ፀላእትኻ ዅልሻዕ ናባኻ ይድይብ ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="75">
				<verse number="1">ነመስግነካ ኣለና፤ ኦ ጐይታ፥ ነመስግነካ ኣለና፤ ስምካውን ንፅውዕ ኣለና፤ ኵሉ ተኣምራትካውን ንነግር ኣለና።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብኩ፥ ኣነ ሓቂ ኽፈርድ እየ።</verse>
				<verse number="3">ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ፤ ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ።</verse>
				<verse number="4">ንሓጥኣን፥ “ኣይትበድሉ” በልኩዎም፤ ነቶም ሓጢኣተኛታትውን “ቀርንኹም ኣይተልዕሉ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="5">ቀርንኹም ክሳዕ ላዕሊ ኣይተልዕሉ፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ዓመፅ ኣይትናገሩ።</verse>
				<verse number="6">ክብሪ ኻብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፥ ወይ ካብ ምድረ በዳ ኣይመፅእንሞ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩሞ፤ ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር።</verse>
				<verse number="8">ፅዋዕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ዘይተሓዋወሰ ወይኒ መልአሉ፤ ካብዙይ ናብቱይውን ሓዋወሶ፤ ግና ሓተላኡ ኣይፈሰሰን፤ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ግና ንዘለኣለም ደስ ይብለኒ፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ክዝምረሉ እየ፤</verse>
				<verse number="10">ንዅሉ ኣቕርንቲ ሓጥኣን ክሰብሮ እየ፤ ኣቕርንቲ ፃድቃን ግና ልዕል ልዕል ክብሉ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="76">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ተፈለጠ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ስሙ ዓብዪ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፥ መሕደሪኡውን ኣብ ፅዮን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላፃን ዋልታን ሰይፍን፥ ኵሉ ኣፅዋር ውግእን ሰባበረ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ኣብቶም ናይ ዘለኣለም እምባታት ኴንካ፥ ብዘደንቕ ተብርህ።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ሰነፋት ልቢ ደንገፁ፤ ድቃሶምውን ደቀሱ፤ ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን።</verse>
				<verse number="6">ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ካብ ተግሳፅካ ዝተልዓለ፥ ኵሎም ፈረሰኛታት ደቀሱ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?</verse>
				<verse number="8">ፍርዲ ኻብ ሰማይ ኣስማዕኻ፤ ልቢ የዋሃን ምእንቲ ኸድሕን፥ እግዚኣብሄር ንፍርዲ ምስ ተልዓለ፥ ምድሪ ፈርሐት፤ ስቕ ድማ በለት።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ሰብ ብፍቓዱ የመስግንካ፤ ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ።</verse>
				<verse number="11">ንኣምላኽና ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽፈሉ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ነቲ ዘፍርሕ ገፀ በረኸት የእትዉ።</verse>
				<verse number="12">ነፍሲ መኳንንቲ የውፅእ፤ ንነገስታት ምድሪ ኸዓ የፍርሕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="77">
				<verse number="1">ቃለይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ቃለይ ናብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="2">ብመዓልቲ መከራይ ንእግዚኣብሄር ደለኽዎ፤ ኣእዳወይ ብለይቲ ኣብ ቅድሚኡ እየን፤ ኣይዓረፍኩንውን፤ ነፍሰይውን ክትፀናናዕ ኣይከኣለትን።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ደስውን በለኒ፤ ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት።</verse>
				<verse number="4">ንኽተግሁ ነዒንተይ ሓዝካዮም፤ ደንገፅኩ፤ ኣይተናገርኩንውን።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ናይ ዘለኣለም ዓመታትውን ሓሰብኩ፤ ኣስተንተንኩውን።</verse>
				<verse number="6">ብለይቲ ምስ ልበይ ተፃወትኩ፤ ንነፍሰይውን ኣንቃሕኽዋ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄርዶ ንዘለኣለም ይድርቢ እዩ? ድሕሪ ደጊምከ ፀጋኡዶ ኣይውስኽን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ?</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ?</verse>
				<verse number="10">እዙይ ድኻመይ እዩ በልኩ፤ ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ግብሪ እግዚኣብሄር ዘከርኩ፤ ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ።</verse>
				<verse number="12">ንዅሉ ግብርታትካ ኸስተንትኖ፥ ነቲ ስራሕኻውን ክዝክሮ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ብውሽጢ መቕደስ እዩ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽ መን እዩ?</verse>
				<verse number="14">ተኣምራት እትገብር ኣምላኽ፥ ንስኻ ኢኻ፤ ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም።</verse>
				<verse number="15">ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ህዝብኻ፥ ብቕልፅምካ ተቤዘኻዮም።</verse>
				<verse number="16">ኦ ኣምላኽ፥ ማያት ረአዩኻ፤ ማያት ረአዩኻ እሞ ፈርሑ፤ ቃላያት ተናወፁ፤ ማያትውን ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="17">ደመናት ድምፂ ሃቡ፤ ፍላፃታትካ ወፁ፤ ድምፂ መባርቕትኻውን ኣብ ኣውሎ ነበረ፤ በርቅታትካውን ብዅሉ ወገን ማሕ ማሕ በለ።</verse>
				<verse number="18">ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።</verse>
				<verse number="19">መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።</verse>
				<verse number="20">ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="78">
				<verse number="1">ኦ ህዝበይ፥ ንሕገይ ኣድምፁ፤ እዝንኹምውን ናብ ቃል ኣፈይ ፅን ኣብሉ።</verse>
				<verse number="2">ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ ነቲ ኻብ ቀደም ዝነበረ ምስላውን እናገር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፥ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፥ ንዝመፅእ ትውልዲ ኻብ ደቆም ኣይሓብኡን።</verse>
				<verse number="4">ናይ እግዚኣብሄር ምስጋናኡን ሓይሉን፥ ዝገበሮ ተኣምራቱን ተናገሩ።</verse>
				<verse number="5">ንያእቆብ ዘቖሞ ምስክር ንእስራኤል ዝሰርዖ ሕጊ፥ ንደቆም ክምህርዎም ነቦታትና ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ከዓ እቲ ዝመፅእ ወለዶ ምእንቲ ኽፈልጦ፥ እቶም ገና ዘይተወለዱ ደቂ ድማ፥ ተሲኦም ንደቆም ክነግሩ እዮም፤</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ ተስፋኦም ኣብ እግዚኣብሄር ክገብሩ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተግባር ከይርስዑ፥ ትእዛዛቱውን ምእንቲ ኽሕልዉ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ከም ኣቦታቶም ከይኾኑ፥ ዓላዊትን መራርን ትውልዲ፥ ልባ ዘየቕንዐት ትውልዲ፥ ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ቀስትን ፍላፃን ዝተዓጥቁ ደቂ ኤፍሬም፥ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ።</verse>
				<verse number="10">ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይሓለዉን፤ ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ።</verse>
				<verse number="11">ረድኤቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ።</verse>
				<verse number="13">ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፤ ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ።</verse>
				<verse number="14">መዓልቲ ብደመና፥ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ምድረ በዳ ነኻውሕ ጨደዶ፤ ካብ ቃላይ ከም ዝርከብ ብዙሕ ማይ ኣስተዮም።</verse>
				<verse number="16">ዓይኒ ማያት ካብ ኰዅሒ ኣውፅአ፤ ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="17">ግና ንእኡ ምብዳል መሊሶም ደገሙ፤ ንልዑል ከዓ ኣብ ምድረ በዳ ኣቘጥዕዎ።</verse>
				<verse number="18">ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።</verse>
				<verse number="19">ንእግዚኣብሄርውን ከምዙይ ኢሎም ሓመይዎ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል? እንሆ፥ ንኰዅሒ ወቕዐሞ ማይ ፈልፈለ፤ ውሕጅውን ወሓዘ፤ ግና እንጀራ ምሃብ ይኽእልዶ? ንህዝቡኸ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል?”</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር እዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ቍጥዓኡ ወፀ።</verse>
				<verse number="22">ብእግዚኣብሄር ኣይኣመኑንሞ፥ ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ።</verse>
				<verse number="23">ንደመና ብላዕሊ ኣዘዘ፤ በርታት ሰማይውን ከፈተ።</verse>
				<verse number="24">ምእንቲ ኽበልዑ መና ኣዝነመሎም፤ እንጀራ ሰማይውን ሃቦም።</verse>
				<verse number="25">ሰባት እንጀራ መላእኽቲ በልዑ፤ ክሳዕ ዝተርፎምውን ስንቂ ሰደደሎም።</verse>
				<verse number="26">ካብ ሰማይ ንንፋስ ምብራቕ ኣተስኦ፤ ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ልዕሊኣቶም ስጋ ኸም ሓመድ፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑፃ ባሕሪ ኣዝነመሎም፤</verse>
				<verse number="28">ኣብ ማእኸል ሰፈሮም፥ ኣብ ዙርያ ድንኳኖምውን ወደቐ፤ በልዑ እምብዛውን ፀገቡ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝተመነይዎ ሃቦም፤ በልዑ፤ የመናውን ፀገቡ።</verse>
				<verse number="30">ካብቲ ዝደለይዎ ኣየስኣኖምን፤ መብልዖም ገና ኣብ ኣፎም እንተሎ፥</verse>
				<verse number="31">ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም መፀ፤ ካብኣቶምውን ነቶም ዝበዝሑ ቐተለ፤ ንሕሩያን እስራኤልውን ኣሰናኸለ።</verse>
				<verse number="32">ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን መሊሶም በደሉ፤ ብተኣምራቱውን ኣይኣመኑን።</verse>
				<verse number="33">መዓልትታቶም ብኸንቱ ሃለቓ፤ ዓመታቶም ድማ ብሽኰላ ሓለፋ።</verse>
				<verse number="34">እንትቐትሎም ሽዑ ይደለይዎ ነበሩ፤ ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ።</verse>
				<verse number="35">ረዳኢኦም እግዚኣብሄር፥ መድሓኒኦምውን ልዑል እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘከሩ።</verse>
				<verse number="36">ብኣፎም ፈተውዎ፤ ብመልሓሶም ድማ ጠበርዎ።</verse>
				<verse number="37">ልቦም ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ኣይኮነን፤ ብኺዳኑውን ኣይተኣመኑን።</verse>
				<verse number="38">ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።</verse>
				<verse number="39">ወፂኡ ዘይምለስ መንፈስ፥ ስጋ ኸም ዝኾኑ ዘከረ።</verse>
				<verse number="40">ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ጊዜ ኣቘጥዕዎ፤ ኣብ በረኻውን ኣጕሃይዎ።</verse>
				<verse number="41">መሊሶም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።</verse>
				<verse number="42">ንሳቶም ንኢዱን፥ ነታ ኻብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሓኖም መዓልትን፥</verse>
				<verse number="43">ነቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ዝገበሮ ተኣምራትን፥ ነቲ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ ዝገበሮ ድንቂ ነገርን ኣይዘከርዎን።</verse>
				<verse number="44">ንሩባታቶምን ንወሓዚ ማዮምን፥ ምስታይ ምእንቲ ኽስእኑ፥ ናብ ደም ለወጦ።</verse>
				<verse number="45">ኣብ ልዕሊኣቶም ተናኸስቲ ዝምቢ ሰደደ፤ በልዕዎምውን፤ ብጭንቍራዕውን ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="46">ብቋልያኦም ንቓቔጣ፥ ፍረ ስራሖም ከዓ ንኣንበጣ ሃቦ።</verse>
				<verse number="47">ንወይኖም ብበረድ፥ ንበለሶም ከዓ በስሓይታ ኣጥፍአ።</verse>
				<verse number="48">እንስሳኣቶም ንበረድ፥ ጥሪቶም ድማ ንሓዊ ሃበን።</verse>
				<verse number="49">መቕሰፍቲ መዓቱ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰደደ፤ መቕሰፍትን መዓትን፥ መከራንውን ብኽፉኣት መላእኽቲ ሰደደ።</verse>
				<verse number="50">ንቝጥዓኡ መንገዲ ፀረገ፤ ንነፍሶምውን ካብ ሞት ኣየድሓናን፤ ንእንስሳኣቶምውን ኣብ ውሽጢ ሞት ዓፀወ።</verse>
				<verse number="51">ንብዘሎ በዅሪ ግብፂ ቐተለ፤ ነቶም ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፍረ ዝኾኑ፥ ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤</verse>
				<verse number="52">ንህዝቡ ግና ኸም ኣባጊዕ ኣውፈሮም፤ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።</verse>
				<verse number="53">ብተስፋውን መርሖም፤ ኣይፈርሑንውን፤ ንፀላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም።</verse>
				<verse number="54">ናብ እምባ መቕደሱውን ኣእተዎም፤ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዝፈጠረታ፥ ናብዛ እምባ እዚኣ ኣእተዎም።</verse>
				<verse number="55">ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።</verse>
				<verse number="56">ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።</verse>
				<verse number="57">ተመለሱ፤ ከም ኣቦታቶም ድማ ጠለሙ፤ ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ።</verse>
				<verse number="58">ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።</verse>
				<verse number="59">እግዚኣብሄር ድማ ነዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ንእስራኤልውን ፈፂሙ ነዓቖም።</verse>
				<verse number="60">ነታ መሕደሪ ሴሎ፥ እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ።</verse>
				<verse number="61">ሓይላቶም ንምርኮ፥ ንሽልማቱውን፥ ናብ ኢድ ፀላኢኦም ኣሕሊፉ ሃበ።</verse>
				<verse number="62">ንህዝቡ ኣብ ውሽጢ ዂናት ዓፀዎም፤ ንርስቱውን ሸለል በሎም።</verse>
				<verse number="63">ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።</verse>
				<verse number="64">ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።</verse>
				<verse number="65">እግዚኣብሄር ካብ ድቃሱ ኸም ዝነቅሕ፥ ስኻር ወይኒ ኸም ዝሓደጎ ኸም ሓያል ሰብ ተስአ።</verse>
				<verse number="66">ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።</verse>
				<verse number="67">ንድንኳን ዮሴፍውን ሓደጋ፤ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሓረዮን፤</verse>
				<verse number="68">ንነገድ ይሁዳ፥ ነቲ ዘፍቀሮ እምባ ፅዮን ግና ሓረዮ።</verse>
				<verse number="69">መቕደሱ ኣብ ኣርያም ሰርሐ፤ ኣብ ምድሪ እውን ንዘለኣለም መስረታ።</verse>
				<verse number="70">ንባርያኡ ዳዊት ሓረዮ፤ ካብ መጓሰ ኣባጊዕውን ወሰዶ።</verse>
				<verse number="71">ንህዝቡ ያእቆብን፥ ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ።</verse>
				<verse number="72">ብቕንዕና ልቡ ሓለዎም፤ ብጥበብ ኢዱውን መርሖም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="79">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።</verse>
				<verse number="2">ንሬሳ ባሮትካ ነዕዋፍ ሰማይ፥ ንስጋ ፃድቃንካ ድማ ንኣራዊት በረኻ ምግቢ ገበሩ።</verse>
				<verse number="3">ደሞም ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፤ ዝቐብሮምውን ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="4">ንጐረባብትና ነውሪ፥ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸዓ፥ መስሓቒኦምን መላገፂኦምን ኮንና።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?</verse>
				<verse number="6">ንቝጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ።</verse>
				<verse number="7">ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፤ ምሕረትካ ቐልጢፋ ትርከበና፤ የመና ተሸጊርና ኢናሞ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን፥ ርድአና፤ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ኢልካ፥ ኦ ጐይታ ኣናግፈና፤ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።</verse>
				<verse number="10">ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ምእንቲ ኸይብሉና፥ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ።</verse>
				<verse number="11">ገዓር እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣድሕኖም።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ነቶም ምብጫው ዘባጨዉልካ ጐረባብትና፥ ሸውዓተ ኢድ ጌርካ ኣብ ሕቝፎም ፍደዮም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን ዝኾንና፥ ንዘለኣለም ክነመስግነካ ኢና፤ ንውሉድ ወለዶውን ምስጋናኻ ኽንነግር ኢና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="80">
				<verse number="1">ንዮሴፍ ከም መጓሰ ኣባጊዕ እትመርሕ፥ ኦ ጓሳ እስራኤል፥ ፅን በል። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን፥ ሓይልኻ ኣልዕል፤ ንምድሓንናውን ነዓ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ኣምላኽ፥ ምለሰና፤ ምእንቲ ኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።</verse>
				<verse number="4">ኦ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ ፀሎት ባርያኻ እትቝጣዕ?</verse>
				<verse number="5">እንጀራ ንብዓት ኣብላዕኻና፤ ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና።</verse>
				<verse number="6">ንጐረባብትና መካትዒ ገበርካና፤ ፀላእትናውን ይሳለቑና ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ኣምላኽ ጐይታ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ክንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።</verse>
				<verse number="8">ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ቅድሚኣ መንገዲ ፀረግካ፤ ሰራውራ ተኸልካ፤ ንምድሪ እውን መልአት።</verse>
				<verse number="10">ፅላላ ንእምባታት ከደነ፤ ጨናፍራ ድማ ኸም ዝግባ እግዚኣብሄር ኮኑ።</verse>
				<verse number="11">ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ውልዶታታ ኸዓ ኽሳዕ ፈለግ ዘርግሐት።</verse>
				<verse number="12">ስለ ምንታይ ሓፁራ ኣፍረስካ? እንሆ ሕዚ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ይቕንጥብዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">ናይ ዱር መፍለስ ኣርከሳ፤ መውፈሪ እንስሳ በረኻውን ኮነት።</verse>
				<verse number="14">ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ በይዛኻ ተመለስ፤ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ተመልከት፤ ረአውን፤ ነዛ ዓፀደ ወይኒ እዚኣ ብፅሐላ።</verse>
				<verse number="15">ብወዲ ሰብ ንኣኻ ዘፅናዕኻዮውን፥ የማንካ ንዝተኸለታ ኣልዕላ።</verse>
				<verse number="16">ብሓዊ ተቓፂላ ኣላ፤ ተነቒላውን ኣላ፤ ካብ ተግሳፅ ገፅካ ዝተልዓለ ይጠፍኡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="17">ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማናይካ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘፅናዕኻዮ ወዲ ሰብ ትኹን።</verse>
				<verse number="18">ካባኻ ኣይንርሓቕ፤ ኣሕውየና ስምካውን ክንፅውዕ ኢና።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ንኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="81">
				<verse number="1">ብዝረድአና ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="2">መዝሙር ኣልዕሉ፤ ከበሮ ውቕዑ፤ ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥</verse>
				<verse number="3">ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ንእስራኤል ስርዓት እዩ፤ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ፍርዲውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፀ፤ ንዮሴፍ ምስክር ኣቖመ፤ ዘይፈልጦ ቛንቋ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="6">“ዝባኑ ኻብ ሸኽሚ፥ ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ።</verse>
				<verse number="7">ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።</verse>
				<verse number="8">ህዝበይ፥ ክነግረካስ ስምዐኒ፤ ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እንተ እትሰምዐንስ፥ ካልእ ኣምላኽ ኣይምኾነልካን፤ ንባዕዲ ኣምላኽውን ኣይምሰገድካን።</verse>
				<verse number="10">ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”</verse>
				<verse number="11">“ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።</verse>
				<verse number="12">ከም ስራሕ ልቦም ሓደግክዎም፤ ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ።</verse>
				<verse number="13">ህዝበይ ቃለይ ሰሚዖም እንተ ዝኾኑ! እስራኤልውን ብመንገደይ እንተ ዝኸዱ!</verse>
				<verse number="14">ንዅሎም ፀላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኢደይ መልዓልኩ ነይረ።</verse>
				<verse number="15">ፀላእቲ እግዚኣብሄር ምተገዝእዎ ነይሮም፤ ጊዜኦምውን ክሳዕ ዘለኣለም ምኾነ ነይሩ።</verse>
				<verse number="16">ስብሒ ስርናይውን መብልዖም ነይሩ፤ ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="82">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።</verse>
				<verse number="2">ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብዓመፅ እትፈርዱ? ንገፅ ሓጥኣን ርኢኹም ከዓ እተዳልዉ?</verse>
				<verse number="3">ንድኻታትን ንደኽታማትን ፍረዱሎም፤ ንጥቑዕን ንምስኪንን ከዓ ፍትሒ ኣውፅኡሎም።</verse>
				<verse number="4">ንድኻን ንምስኪንን ኣናግፉ፤ ካብ ኣእዳው ሓጥኣንውን ኣናግፍዎም።</verse>
				<verse number="5">ኣይፈልጡን፤ ኣየስተውዕሉን፤ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ይመላለሱ፤ ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ።</verse>
				<verse number="6">ኣነስ፥ “ኣማልኽቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤</verse>
				<verse number="7">“ግና ኸም ሰብ ክትሞቱ፥ ከም ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕውን ክትወድቁ ኢኹም” በልኩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ኣምላኽ፥ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እውን ፍረድ፤ ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="83">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ከማኻ መን እዩ? ኦ ኣምላኽ፥ ስቕ ኣይትበል፤ ሸለልውን ኣይትበል።</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ፀላእትኻ ኣውክዑ፤ እቶም ዝፀልኡኻውን ርእሶም ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="3">ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፤ ኣብ ልዕሊ ቕዱሳንካውን ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="4">“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።</verse>
				<verse number="5">ሓቢሮም ኣብ ልዕሌኻ ተማኸሩ፤ ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ።</verse>
				<verse number="6">ድንኳናት ኤዶማውያንን እስማኤላውያንን፥ ሞኣባውያንን ኣጋራውያንን፥</verse>
				<verse number="7">ሰብ ጌባልን ኣሞናውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም።</verse>
				<verse number="8">ኣሶር ድማ ምስኣቶም ተሓባበረ፤ ምስ ኤዶማውያንን ሞኣባውያንን ስለ ዝሓበረ፥ ንደቂ ሎጥውን ሓገዝቲ ኾንዎም።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ንምድያማውያንን፥ ንሲሳራን ኢያቢስን፥ ኣብ ሩባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ኣብ እንዶር ጠፍኡ፤ ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ።</verse>
				<verse number="11">ነሕሉቖምውን ከም ሔሬብን ከም ዜብን፥ ንዓበይቶምውን ከም ዛብሔልን ስልማናን ግበሮም።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ኦ ኣምላኸይ፥ ከም በነንታ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዘሎ ሓሰር፥ ግበሮም።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ሓዊ ንዱር ዘባርዖ፥ ሃልሃልታውን ንእምባታት ዘቃፅሎ፥</verse>
				<verse number="15">ከምኡ ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ብመቕሰፍትኻውን ኣደንግፆም።</verse>
				<verse number="16">ስምካ ምእንቲ ኽፈልጡስ ንገፆም ብውርደት ሸፍኖ።</verse>
				<verse number="17">ንዘለኣለም ይነወሩን ይሸበሩን፤ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።</verse>
				<verse number="18">ስምካ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="84">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ መሕደሪታትካ ከመይ ዝተፈተዉ እዮም!</verse>
				<verse number="2">ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="3">ዒፍ እኳ ንባዕላ ቤት ረኸበት፤ ለዃዂቶውን ጨቓዊታ እተንብረሉ መንበሪ ረኸበት፤ ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ንሱ መሰውኢካ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብፁኣን እዮም፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን የመስግኑኻ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ ሓገዙ ኻባኻ ዝኾነ፥ ብልቡውን ላዕለዋይ መንገዲ ዝሓስብ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብውሽጢ ለሰ ብኽያት፥ ኣብ ዝወሰንካዮ ስፍራ፥ መምህር ሕጊ በረኸት ይህብ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊውን ይኸዱ፤ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣብ ፅዮን ይረአ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ፅን በል።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ ምትእምማንና ረአየልና፤ ናብ ገፅ እቲ ዝቐባእኻዮውን ተመልከት።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኣእላፍ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣደባባያትካ ትሐይሽ፤ ስለዙይ ኣብ ኣባይቲ ሓጥኣን ካብ ምንባርስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="85">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንምድርኻ ሞገስ ሃብካ፤ ንምርኮ ያእቆብውን መለስካ።</verse>
				<verse number="2">ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በልካ፤ ኵሉ በደሎምውን ከደንካ።</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፤ ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ኣምላኽ ምድሓንና፥ ምለሰና፤ ንቝጥዓኻውን ካባና መልስ።</verse>
				<verse number="5">ንዘለኣለምዶ ኽትቝጠዐና ኢኻ? ቍጥዓኻኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኽተንውሕ ኢኻ?</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ ትምለስን ተድሕንን ኢኻ፤ ህዝቢ እውን ብኣኻ ይሕጐስ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣርእየና፤ ምድሓንካውን ሃበና።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝብለኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ንህዝቡን ንፃድቃኑን ልቦም ናብኡ ንዝመልሱን፥ ሰላም ይናገር።</verse>
				<verse number="9">ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፤ ፅድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ።</verse>
				<verse number="11">ሓቂ ኻብ ምድሪ በቘለት፤ ፅድቂውን ካብ ሰማይ ጠመተት።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ምሕረቱ ይህብ፤ ምድሪ እውን ፍሪኣ ትህብ።</verse>
				<verse number="13">ፅድቂ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣሰሩውን ኣብ መንገዲ ይሓድግ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="86">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ እሞ፥ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ስምዐኒውን።</verse>
				<verse number="2">የዋህ እየሞ ንነፍሰይ ሓልዋ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ንዝተኣመነ ባርያኻ ኣድሕኖ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ ኣለኹ እሞ መሓረኒ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣንቃዕርር ኣለኹሞ፥ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ኣድምፅ፤ ድምፂ ልመናይውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ ትምልሰለይ ኢኻ እሞ፥ ብመዓልቲ መከራይ ክፅውዐካ እየ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዝመስል የለን፤ ከም ስራሕኻውን ዝበለ የለን።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ምርሐኒ፥ ብሓቅኻ ክኸድ እየ፤ ስምካ ንምፍራሕ፥ ልበይ ደስ ይብሎ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።</verse>
				<verse number="13">ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።</verse>
				<verse number="14">ኦ ኣምላኸይ፥ ዓማፅያን ኣብ ልዕለይ ተልዒሎም ኣለዉ፤ ማሕበር እኩያንውን ንነፍሰይ ይደልዩዋ ኣለዉ፤ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይገበሩኻን።</verse>
				<verse number="15">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ናባይ ተመልከት፥ መሓረኒውን፤ ንባርያኻ ሓይሊ ሃቦ፤ ንወዲ ባርያኻውን ኣድሕኖ።</verse>
				<verse number="17">ትእምርቲ ሰናይውን ምሳይ ግበር፤ ፀላእተይ ይርኣዩ፤ ይሕፈሩውን፤ ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="87">
				<verse number="1">መሰረታታ ኣብ ዝተቐደሱ እምባታት እዮም።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ካብ ድንኳናት ያእቆብ፥ ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣቲ ኸተማ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ዘደንቕ እዩ።</verse>
				<verse number="4">“ንዝፈልጣኒ ንረዓብን ንባቢሎንን እዝክረን ኣለኹ፤ እንሆ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፥ እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።”</verse>
				<verse number="5">ሰብ እኖና ፅዮን ይብል፤ ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወለደ፤ እቲ ልዑልውን ባዕሉ መስረታ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ክፅሕፎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጣ ንዝተወለዱ ኣሕሉቓውን ብመፅሓፍ ይነግሮም።</verse>
				<verse number="7">ንዅሎም ነቶም ኣባኺ ዝነብሩ፥ ደስ ከም ዝብሎም ይነግሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="88">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="2">ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ትእቶ፤ እዝንኻውን ናብ ልመናይ ፅን ኣብል።</verse>
				<verse number="3">ነፍሰይ መከራ ፀጊባ ኣላ እሞ፤ ህይወተይውን ናብ መቓብር ቀሪባ ኣላሞ።</verse>
				<verse number="4">ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተቘፀርኩ፤ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ሰብውን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="5">ከምቶም ንዘለኣለም ዘይትዝክሮም፥ ከምቶም ኣብ ጕድጓድ ዝተቐብሩ ቕቱላት፥ ኣብ ማእኸል ምዉታት ተደርበኹ፤ ንሳቶምውን ካብ ኢድካ ርሒቆም እዮም።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ኣብ ታሕተዋይ ጕድጓድ ኣንበርካኒ።</verse>
				<verse number="7">ቍጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ፀንዐ፤ ኵሉ መቕሰፍትኻውን ኣብ ልዕለይ ኣምፃእኻ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ዝፈልጡኒ ኻባይ ኣርሓቕካዮም፤ ብኣኣቶምውን ርኹስ ገበርካኒ፤ ሓዙኒ፤ መውፅኢውን የብለይን።</verse>
				<verse number="9">ኣዒንተይ ብመከራ ፈዘዛ፤ ኦ ጐይታ፥ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ብሓቂዶ ንምዉታት ተኣምራት ትገብር ኢኻ? ዝሞቱኸ ተሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም?</verse>
				<verse number="11">ኣብ ውሽጢ መቓብር ምሕረትካ፥ ኣብ ቦታ ጥፍኣትከ ሓቅነትካዶ ይንገር እዩ?</verse>
				<verse number="12">ተኣምራትካ ኣብ ፀልማት ይፍለጥ ድዩ? ፅድቅኻኸ ኣብ ምድሪ ተረሲዑ ድዩ?</verse>
				<verse number="13">ጐይታይ ኣነ ግና፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ፀሎተይ ኣንጊሃ ናባኻ ትብፃሕ።</verse>
				<verse number="14">ጐይታ፥ ስለ ምንታይ ንነፍሰይ ትድርብያ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ኻባይ ትኽውል?</verse>
				<verse number="15">ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ፅጉምን ንሞት ዝቐረብኩን እየ፤ ልዕል ልዕል ምስ በልኩ ግና ተዋረድኩ፤ ተንዓቕኩውን።</verse>
				<verse number="16">መቕሰፍትኻ ኣብ ልዕለይ ሓለፈ፤ ግርማኻውን ኣደንገፀኒ፤</verse>
				<verse number="17">ኵሉ መዓልቲ ኸም ማይ ከበቡኒ፤ ሓቢሮምውን ሓዙኒ።</verse>
				<verse number="18">ንፈተውተይን ንብፆተይን፥ ካባይ ኣርሓቕካዮም፤ ነዝማደይውን ካብ መከራ ዝተልዓለ ኻባይ ኣርሓቕካ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="89">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ ተኣማንነትካውን ንውሉድ ወለዶ ብኣፈይ ክነግር እየ።</verse>
				<verse number="2">ንዘለኣለም ምሕረት ክሃንፅ እየ ኢልካ ኢኻሞ፥ ተኣማንነትካ ኣብ ሰማይ ፀንዐ።</verse>
				<verse number="3">“ምስ ዝመረፅኩዎ ኪዳን ኣተኹ፤ ንዳዊት ባርያይ ከዓ ‘ዘርእኻ ንዘለኣለም ከፅንዕ፥ ዙፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንፅ እየ’ ኢለ መሓልኩሉ” በልካ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ሰማያት ንተኣምራትካ፥ ተኣማንነትካውን ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ከመስግኑ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ሓያል ኢኻ፤ ሓቂውን ይኸበካ።</verse>
				<verse number="9">ንሓይሊ ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፤ ንድምፂ ማዕበሉውን ንስኻ ስቕ ተብሎ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ንረዓብ ከም ዝተቐትለ ኣዋረድካዮ፤ ብሓይሊ ቕልፅምካውን ንፀላእትኻ በተንካዮም።</verse>
				<verse number="11">ሰማያት ናትካ እዮም፤ ምድሪ እውን ናትካ እያ፤ ንዓለም ብምልእታ ንስኻ መስረትካያ።</verse>
				<verse number="12">ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።</verse>
				<verse number="13">ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት።</verse>
				<verse number="14">መሰረት ዙፋንካ ፅድቅን ፍትሕን እዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዕልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ፥ ብፁእ እዩ፤ ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ።</verse>
				<verse number="16">ብስምካ ዅሉ መዓልቲ ይሕጐሱ፤ ብፅድቕካውን ልዕል ልዕል ይብሉ።</verse>
				<verse number="17">መመክሒ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ብሞገስካውን ቀርንና ልዕል ልዕል ይብል።</verse>
				<verse number="18">ረድኤትና ኻብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንጉስናውን ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="19">በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።</verse>
				<verse number="20">ንባርያይ ዳዊትውን ረኸብክዎ፤ ቅዱስ ዘይቲውን ቀባእኽዎ፤</verse>
				<verse number="21">ኢደይ ኵልሻዕ ምስኡ ኽትከውን እያ፤ ቅልፅመይውን ክተፅንዖ እያ።</verse>
				<verse number="22">ፀላኢ ኣብ ልዕሊኡ ኣይጥቀምን፤ ኣየውድቖንውን፤ ውሉድ ዓመፅውን መከራ ኣይውስኸሉን።</verse>
				<verse number="23">ንፀላእቱ ካብ ቅድሚኡ ኸጥፍኦም እየ፤ ነቶም ዝፀልእዎውን ከዋርዶም እየ።</verse>
				<verse number="24">ምሕረተይን ተኣማንነተይን ምስኡ እዩ፤ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ፥ የማኑውን ኣብ ልዕሊ ሩባታት ከንብር እየ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ‘ኣቦይ፥ ኣምላኸይ፥ ኰዅሒ ምድሓነይ፥ ንስኻ ኢኻ’ ኽብለኒ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።</verse>
				<verse number="28">ምሕረተይ ከዓ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፤ ንኺዳነይውን ዝተኣመነ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ዘርኡውን ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንዙፋኑውን ከም መዋእል ሰማይ ክገብሮ እየ።”</verse>
				<verse number="30">ግና “ደቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ፤ ከም ፍርደይ እንተ ዘይከዱ፥</verse>
				<verse number="31">ስርዓተይ እንተ ኣርከሱ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ፥</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ንሓጢኣቶም ብበትሪ፥ ንበደሎምውን ብመቕሰፍቲ ኽቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="33">ምሕረተይ ግና ኻብኡ ኣየርሕቕን፤ ብተኣማንነተይ ኣይዕምፅን።</verse>
				<verse number="34">ኪዳነይውን ኣየርክስን፤ ካብ ኣፈይ ዝወፀውን ኣይልውጥን።”</verse>
				<verse number="35">“ንዳዊት ከይሕስዎ፥ ሓደ ሻዕ ብቕድስናይ ምሒለ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="36">ዘርኡ ንዘለኣለም፥ ዙፋኑውን ከም ፀሓይ፥ ኣብ ቅድመይ ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="37">ንዘለኣለም ከም ወርሒ ይፀንዕ፤ ምስክርነቱውን ኣብ ሰማይ ዝተኣመነ እዩ።”</verse>
				<verse number="38">ንስኻ ግና ነዓቕካዮ፤ ደርበኻዮውን፤ ነቲ ዝቐባእኻዮውን ደርበኻዮ።</verse>
				<verse number="39">ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ፤ ንመቕደሱውን ኣብ ምድሪ ኣርከስካ።</verse>
				<verse number="40">ኵሉ ቕፅርታቱ ኣፍረስካ፤ ንእምባታቱ ኸዓ ኣዕኖኻ።</verse>
				<verse number="41">ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ ተመናጠልዎ፤ ንጐረባብቱ ድማ ፀርፊ ኾነ።</verse>
				<verse number="42">ንየማን ፀላእቱ ልዕል ልዕል ኣበልካ፤ ንዅሎም ፀላእቱ ኣሐጐስካዮም።</verse>
				<verse number="43">ንረድኤት ሰይፉ መለስካ፤ ኣብ ውሽጢ ውግእውን ኣይደገፍካዮን፤</verse>
				<verse number="44">ካብ ንፅህናኡ ሰዓርካዮ፤ ሕፍረትውን ኣጐልበብካዮ።</verse>
				<verse number="45">መዋእል ዙፋኑ ኣውሓድካ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሕፍረት ወሰኽካ።</verse>
				<verse number="46">ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ገፅካ እትምልስ? ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?</verse>
				<verse number="47">ክእለተይ እንታይ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ?</verse>
				<verse number="48">ሞት እንተይረአየ ብህይወት ዝነብር፥ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ዘድሕና መን እዩ?</verse>
				<verse number="49">ኦ ጐይታ፥ እቲ ንባርያኻ ዳዊት ብሓቂ ዝመሓልካሉ፥ እቲ ናይ ቀደም ምሕረትካ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="50">ኦ ጐይታ፥ ነቲ ናይ ባሮትካ ፀርፍን፥ ነቲ ኻብ ብዙሕ ኣህዛብ፥ ኣብ ሕቝፈይ ዝተቐበልኩዎ ፀርፍን ዘክር።</verse>
				<verse number="51">ኦ ጐይታ፥ ፀላእትኻ ዝፀርፍዎ ፀርፊ፥ ነቲ ዝቐባእኻዮ ዘመን ዝፀርፍዎ ዘለዉ ፀርፊ ዘክር።</verse>
				<verse number="52">እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን!</verse>
			</chapter>
			<chapter number="90">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።</verse>
				<verse number="2">እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ንሰብ ናብ ሓሳር ኣይትመልሶን፤ “ኣቱም ደቂ ሰብ ተመለሱ” ትብል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="4">ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ፥ ከም እዛ ትማሊ ዝሓለፈት መዓልትን፥ ከም ምንቃሕ ለይትን እየን።</verse>
				<verse number="5">ዓመታት ኣብ ቅድሜኻ ዝተንዓቑ እዮም፤ ብንግሆ ኸም ሳዕሪ ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="6">ብንጉሆ ይበቍል፥ ይሓልፍውን፤ ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="7">ንሕና ብቝጥዓኻ ሃሊቕና ኢናሞ፥ ብመቕሰፍትኻውን ደንጊፅና ኢናሞ።</verse>
				<verse number="8">ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርካ፤ ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኵሉ ዘመንና ሓሊፉ እዩሞ፥ ንሕናውን ብመቕሰፍትካ ሃሊቕና ኢና።</verse>
				<verse number="10">መዋእል ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ኸዓ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ካብኡ እንተ በዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="11">ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።</verse>
				<verse number="12">ጥበብ ብልቢ ምእንቲ ኽንመሃር፥ የማንካ ኸምዙይ ኣፍልጠና።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ተመለስ፤ ክሳዕ መኣዝ እዩ? ስለ ባሮትካውን ተማጐት።</verse>
				<verse number="14">ብምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ደስውን ምእንቲ ኽብለናስ፥ ብንግሆ ምሕረትካ ኣፅግበና።</verse>
				<verse number="15">ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልቲታትን፥ ክፉእ ዝረአናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ፥ ናብ ስራሕኻን ናብ ኣገልገልትኻን ረአ፤ ንደቆምውን ምርሓዮም።</verse>
				<verse number="17">ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ይኹን፤ ተግባር ኣእዳውናውን ኣቕንዐልና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="91">
				<verse number="1">ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር “መዕቘብየይን ዕርደይን ዝተኣማመነካ ኣምላኸይን” ኢኻ እብሎ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኻብ መፃወድያ ሃዳናይ፥ ካብ ዘደንግፅ ነገርውን የድሕነካ፤</verse>
				<verse number="4">ብግልግለኡ ኽኽውለካ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉውን ክትተኣማመን ኢኻ፤ ሓቂ ኸም ዋልታ ክኸበካ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ግርማ ለይቲ፥ ብመዓልቲ ኻብ ዝውርወር ፍላፃ፥</verse>
				<verse number="6">ብፀልማት ካብ ዝኸይድ ክፉእ ነገር፥ ካብ ሓደጋን ካብ ጋኔን ቀትርን ኣይትፈርሕን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፥ ኣብ የማንካውን ዓሰርተ ሽሕ ክወድቁ እዮም፤ ናባኻ ግና ኣይቐርብን እዩ።</verse>
				<verse number="8">በዒንትኻ ጥራሕ ክትርኢ ኢኻ፤ ፍዳ ሓጢኣትውን ክትርኢ ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤</verse>
				<verse number="10">ክፉእ ነገር ናባኻ ኣይቐርብን፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን።</verse>
				<verse number="11">ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልዉኻ፥ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ከዓ እግርኻ ብእምኒ ኸይዕንቀፍ በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">በኣይ ተኣማሚኑ እዩሞ ኸናግፎ እየ፤ ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ።</verse>
				<verse number="15">ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።</verse>
				<verse number="16">ነዊሕ ዕድመ ኸፅግቦ እየ፤ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="92">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ እዩ፤ ኦ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንስምካ ዝማሬ ምቕራብ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብእምብልታን፥ ብመሰንቆን፥ ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፥ ብተግባር ኣእዳውካውን እሕጐስ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!</verse>
				<verse number="6">ሰነፍ ሰብ ኣይፈልጦን፤ ልቢ ዘይብሉውን ነዙይ ኣየስተውዕሎን እዩ።</verse>
				<verse number="7">ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ሳዕሪ እንትበቝሉ፥ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእውን እንትልምልሙ፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ እንሆ ፀላእትኻ ኽጠፍኡ እዮም እሞ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅውን ክብተኑ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="10">ቀርነይ ግና ሓደ ቐርኒ ኸም ዘለዎ ጐባይ ልዕል ልዕል ይብል፤ ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ።</verse>
				<verse number="11">ዓይነይ ኣብ ፀላእተይ ክትርኢ እያ፤ እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ።</verse>
				<verse number="12">ፃድቕ ከም ስየ ይፈሪ፤ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ይዓቢ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ተተኺሎም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ብዝለምለመ ሽምግልና ይፈርዩ፤ ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤</verse>
				<verse number="15">“ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ይነግሩ፤ ኣብኡውን ዓመፅ የለን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="93">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ክብርውን ለበሰ፤ እግዚኣብሄር ሓይሉ ለበሰ፤ ተዓጠቐውን፤ ንዓለም ከይትናወፅ ኣፅንዓ።</verse>
				<verse number="2">ዙፋንካ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝተዳለወ እዩ፤ ንስኻውን ካብ ዘለኣለም ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ኣፍላግ ልዕል ልዕል ኣበሉ፤ ኣፍላግ ድምፆም ኣልዓሉ። ወሓይዝ ህማሞም ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ድምፂ ብዙሕ ማያት፥ ካብ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ እውን፥ እግዚኣብሄር ብልዕልናኡ ዘደንቕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ምስክርካ የመና ዝተኣመነ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="94">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር፥ ናይ በቐል ኣምላኽ እዩ፤ ናይ በቐል ኣምላኽ ተገለፀ።</verse>
				<verse number="2">ኣታ ፈራዲ ምድሪ፥ ልዕል ልዕል በል፤ ንዕቡያት ፍዳኦም ፍደዮም።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተኛታት ክሳዕ መኣዝ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም ሓጢኣተኛታት ዝዕበዩ?</verse>
				<verse number="4">ይከራኸሩ፥ ዓመፅውን ይዛረቡ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅ ይዘሃሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ኣዋረዱ፤ ንርስትኻውን ኣጨነቑ።</verse>
				<verse number="6">ንመበለትን ንደኽታምን ቀተሉ፤ ንስደተኛውን ቀተሉ።</verse>
				<verse number="7">“እግዚኣብሄር ኣይርእን፤ ኣምላኽ ያእቆብውን ኣየስተብህልን እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="8">ኣቱም ደናቝር ህዝቢ ኣስተውዕሉ፤ ሰነፋትከ መኣዝ ይልብሙ?</verse>
				<verse number="9">እቲ እዝኒ ዝተኸለ ኣይሰምዕንዶ? እቲ ዓይኒ ዝፈጠረኸ ኣይርእንዶ?</verse>
				<verse number="10">እቲ ንኣህዛብ ዝግስፅ፥ ንሰብ ጥበብ ዝምህርከ ንሱ ኣይግስፅንዶ?</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንሓጢኣተኛ ጕድጓድ ክሳዕ ዝኰዓት፥ ካብ ክፉኣት ዘመናት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ዝገሰፅካዮ ሕግኻውን ዝመሃርካዮ ምስጉን እዩ።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ንርስቱውን ኣይሓድጎምን።</verse>
				<verse number="15">ፍርዲ ናብ ፅድቂ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ምእንቲ ኽፉኣት ዝከራኸረኒ መን እዩ? ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ?</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር እንተ ዘይረድአንስ፥ ነፍሰይ ንቑሩብ ጊዜ ኣብ ሲኦል ምሓደረት ነይራ።</verse>
				<verse number="18">እግረይ ኣንደልሃፀ ምስ በልኩ፥ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ረድአኒ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ንልበይ ከም ብዝሒ መከራኣ፥ ምፅንናዕኻ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ልዕሊ ሕግኻ ዓመፅ ዝገብር፥ ዙፋን ዓመፅዶ ምሳኻ ኽሓብር ይኽእል እዩ?</verse>
				<verse number="21">ንነፍሲ ፃድቕ የድብዩላ፤ ብንፁህ ደምውን ይፈርዱ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ግና መፀግዒ ኾነኒ፤ ኣምላኸይ ድማ፥ ናይ ተስፋይ ረዳኢ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ከም በደሎምን ከም ክፍኣቶምን ፍዳኦም ክኸፍሎም እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ፈፂሙ ኸጥፍኦም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="95">
				<verse number="1">ንዑ፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበለና፤ ንኣምላኽናን፥ ንመድሓኒናን ዕልል ንበል።</verse>
				<verse number="2">ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብፃሕ፤ ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ እዩ እሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኣብ ውሽጢ ኢዱ እዮም፤ ነዋሕቲ እምባታትውን ናቱ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ባሕሪ ናቱ እያ፤ ንሱውን ፈጠራ፤ ንንቑፅ ምድሪ እውን ኣእዳዉ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="6">ንዑ፥ ንስገድ፤ ንእኡውን ንገዛእ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፤ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፥ ናይ ኣእዳዉ ኣባጊዕ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።</verse>
				<verse number="9">ዝተፈታተኑኒ ኣቦታትኩም፥ ፈተኑኒ፤ ስራሐይውን ረአዩ።</verse>
				<verse number="10">ነታ ትውልዲ እቲኣ ኣርብዓ ዓመት ተቘጢዐያ ነይረ፤ “ኵልሻዕ ልባቶም ይስሕት፤ ንሳቶም መንገደይ ኣይፈለጡን” በልኩ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="96">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ ኵልኻትኩም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፥ ንስሙውን ባርኹ፤ መዓልቲ መዓልቲ እውን ምድሓኑ ተናገሩ።</verse>
				<verse number="3">ክብሩ ንኣህዛብ፥ ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ዝፍራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ፥ ኣጋንንቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።</verse>
				<verse number="6">ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚኡ፥ ቅድስናን ግርማን ኣብ ውሽጢ መቕደሱ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ወገናት ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="8">ንስሙ ዝግባእ ክብሪ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣደባባያቱ እተዉ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ዓፀድ ቅድስናኡ፥ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ትንቀጥቀጥ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ማእኸል ኣህዛብ “እግዚኣብሄር ነገሰ” በሉ፤ ከይትናወፅ ንዓለም ንሱ ኣፅንዓ፤ ንኣህዛብ ከዓ ብቕንዕና ይፈርድ።</verse>
				<verse number="11">ሰማያት ይተሓጐሱ፤ ምድሪ እውን ደስ ይበላ፤ ባሕርን ምልኣታን ትናወፅ።</verse>
				<verse number="12">በረኻን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን ደስ ይበሎም፤ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ።</verse>
				<verse number="13">ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="97">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ነጊሱ እዩ፤ ምድሪ ትተሓጐስ፤ ብዙሓት ደሴታት ደስ ይበሎም።</verse>
				<verse number="2">ደመናን ጣቓን ኣብ ዙርያኡ እዮም፤ ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም።</verse>
				<verse number="3">ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ፀላእቱ የንድዶም።</verse>
				<verse number="4">መባርቕቱ ንዓለም ኣብርሁ፤ ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት።</verse>
				<verse number="5">እምባታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ እውን ከም ሽምዒ መኸኹ።</verse>
				<verse number="6">ሰማያት፥ ናቱ ፅድቂ ኣውረዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኽብሩ ረአዩ።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ስለ ፍርድኻ ፅዮን ሰሚዓ ተሓጐሰት፤ ኣጓላት ይሁዳውን ደስ በለን።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲውን የመና ልዕል ልዕል በልካ።</verse>
				<verse number="10">ንእግዚኣብሄር እትፈትዉ ንኽፍኣት ፅልኡ፤ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ፃድቃኑ ይሕሉ እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጥኣንውን የድሕኖም።</verse>
				<verse number="11">ብርሃን ንፃድቃን፥ ደስታ ኸዓ ንቕኑዓት ልቢ ወፀ።</verse>
				<verse number="12">ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕድስናኡ መዘከርታውን ኣመስግኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="98">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፤ ፅድቁ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለፀ።</verse>
				<verse number="3">ንያእቆብ ምሕረቱ፥ ንቤት እስራኤልውን ሓቁ ዘከረ፤ ኵሎም ኣብ ወሰናት ምድሪ ዘለዉ፥ ምድሓን ኣምላኽና ረአዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣቲ ምድሪ ዅልኺ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሊ፤ ኣመስግኑ፥ ደስ ይበልኩም ዘምሩውን።</verse>
				<verse number="5">ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፥ ብመሰንቆን ብድምፂ በገናን ዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="6">ብእምብልታን ብድምፂ መለኸትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እግዚኣብሄር ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="7">ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ይናወፁ።</verse>
				<verse number="8">ወሓይዝ ኣፍላግውን ሓቢሮም በእዳዎም የጣቕዑ፤ እምባታትውን ደስ ይበሎም፤</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="99">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ኣህዛብ ይደንግፁ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐመጠ፤ ምድሪ ትናወፅ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ዓብዪ እዩ፤ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዕል ልዕል በለ።</verse>
				<verse number="3">ግሩምን ቅዱስን እዩሞ፥ ኵሎም ነቲ ዓብዪ ስምካ የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="4">ክቡር ንጉስ ፍትሒ ይፈቱ፤ ንስኻ ንቕንዕና ኣፅናዕኻያ፤ ንስኻ ፍትሕን ፅድቅን ንያእቆብ ገበርካ።</verse>
				<verse number="5">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ ኣብ መርገፂ እግሩ ስገዱ።</verse>
				<verse number="6">ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእኸል ካህናቱ፥ ሳሙኤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቶም ስሙ ዝፅውዑ እዮም፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ፀውዕዎ፤ ንሱውን መለሰሎም።</verse>
				<verse number="7">ብዓምዲ ደመናውን ተዛረቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓለዉ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ ኣምላኽና፥ ንስኻ ሰማዕኻዮም፤ ኦ ጐይታ ንስኻ መሓርካዮም፤ ንዅሉ ኽፉእ ስራሖም ግና ሕነ ፈደኻዮም።</verse>
				<verse number="9">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ እምባኡ ስገዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="100">
				<verse number="1">ኣብ ኵሉ ምድሪ፥ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝኡ፤ ብታሕጓስውን ናብ ቅድሚኡ እተዉ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ፤ ንሱ ፈጠረና፤ ንሕና ኣይኮንናን፤ ንሕናስ ህዝቡ፥ ኣባጊዕ መጓሰኡ ኢና።</verse>
				<verse number="4">ናብ ደገታቱ ብምስጋና፥ ናብ ኣፀዱውን ብውዳሴ እተዉ፤ ኣመስግንዎ፤ ንስሙውን ባርኹ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ሕያዋይ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፤ ሓቁ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="101">
				<verse number="1">ምሕረትን ፍትሕን እቕነየልካ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ፥ ምስጋና ክዝምረልካ እየ።</verse>
				<verse number="2">ንፁህ መንገዲ ኸስተውዕል እየ፤ ናባይ መኣዝ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ማእኸል ቤተይ ብንፁህ ልቢ ኽመላለስ እየ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ነገር ኣየንበርኩን፤ ንጠሓስቲ ሕጊ ፀላእኹ።</verse>
				<verse number="4">ቀይናን ልቢ ኣይተኸተለንን፤ ክፉእ ካባይ ምስ ረሓቐ ኣይፈለጥኩን።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ንብፃዩ ብሕቡእ ዝሓሚ ንእኡ ኸሳጉጎ እየ፤ እቲ ዕቡይ ዓይንን ስሱዕ ልብን ምሳይ ኣይተሓባበርን።</verse>
				<verse number="6">ምሳይ ምእንቲ ኽነብሩ፥ ኣዒንተይ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ምድሪ እየን፤ ብመንገዲ ንፅህና ዝኸይድ፥ ንሱ ኸገልግለኒ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ትዕቢት ዝገብር ኣብ ውሽጢ ገዛይ ኣይነብርን፤ ሓሰት ዝዛረብ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣይቐውምን።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ዓመፀኛታት፥ ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸጥፍኦም፥ ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ ድማ ኣንጊሀ ኽቐትሎም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="102">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብፃሕ።</verse>
				<verse number="2">ብመዓልቲ መከራይ ገፅካ ኻባይ ኣይትመልስ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣብ ዝፀዋዕኹኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ።</verse>
				<verse number="3">ዘመነይ ከም ትኪ በኒኑ ይውዳእ ኣሎ፤ ኣዕፅምተይውን ከም መሳወሪ ይነድድ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ምብላዕ እኽሊ ተረሲዑኒ፤ ተገረፍኩ፤ ልበይውን ከም ሳዕሪ ፀምለወን ነቐፀን።</verse>
				<verse number="5">ካብ ድምፂ ገዓረይ ዝተልዓለ ስጋይ ምስ ኣዕፅምተይ ተጣበቐ።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብር ኣባ ጕምባሕ መሰልኩ፤ ከምቲ ኣብ ዑና ዘሎ ጉጓውን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="7">ተጋህኹ፤ ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዝሓድር ዒፍ ኮንኩ።</verse>
				<verse number="8">ፀላእተይ ኵሉ ጊዜ ይፀርፉኒ፤ እቶም ዘሳጕጉኒውን ኣብ ልዕለይ ተመሓሓሉለይ።</verse>
				<verse number="9">ሓመድ ከም እኽሊ ቝሒመ ኣለኹሞ፤ ንመስተይውን ምስ ንብዓተይ አሓዋውሶ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ቍጥዓኻን ካብ መዓትካን ዝተልዓለ ኣልዒልካ ደርበኻኒ።</verse>
				<verse number="11">ዘመነይ ከም ፅላሎት ሓለፈ፤ ኣነውን ከም ሳዕሪ ነቒፀ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፤ መዘከርታኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ንፅዮንውን ይቕረ በለላ፤ ናይ ምሕረታ እዋን እዩ እሞ፤ እቲ ዘመናውን በፂሑ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።</verse>
				<verse number="15">ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ንፅዮን ክሓንፃ እዩ እሞ፤ ብኽብሩውን ኽግለፅ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ናብ ፀሎት ፅጉማት ተመልከተ፤ ልመናኦምውን ኣይነዓቐን።</verse>
				<verse number="18">ንቕድሚት ዝፍጠር ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸመስግኖ፥ እዙይ ንመፃኢ ትውልዲ ይፀሓፍ፤</verse>
				<verse number="19">“እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኻብ መቕደሱ ኾይኑ ጠሚቱ እዩ እሞ፤ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናብ ምድሪ እውን ተመልከተ፤</verse>
				<verse number="20">ንብኽያት እሱራት ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ ምእንቲ ኸድሕኖምውን እዩ።”</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ምስጋናኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ክናገሩ፥ ኣህዛብ ብሓድነት ምስ ተኣከቡ፥ መንግስታትውን ንእግዚኣብሄር ክግዝኡ እዮም።</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">ብሓይሉ ጐደና መለሰሎም፤ ምውሓድ ዘመነይ ንገረኒ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ፍርቂ ዕድመይ ኣይትውሰደኒ፤ ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እየን።</verse>
				<verse number="25">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም።</verse>
				<verse number="27">ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።</verse>
				<verse number="28">ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="103">
				<verse number="1">ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ፤</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፥</verse>
				<verse number="4">ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዘድሕና፥ ብምሕረቱን ብሕያዋይነቱን ዝኽልለኪ፤</verse>
				<verse number="5">ንድሌትኪ ብበረከቱ ዘፅግባ፥ ንንእስነትኪውን ከም ንስሪ ይሕድሳ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ይቕረታ ዝገብር እዩ፤ ነቶም ዝተበደሉ ይፈርደሎም።</verse>
				<verse number="7">መንገድታቱ ንሙሴ፥ ግብርታቱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዐናን፤ ከም መጠን በደልናውን ኣይፈደየናን።</verse>
				<verse number="11">ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ኣፅንዐ።</verse>
				<verse number="12">ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።</verse>
				<verse number="15">ሰብ ዘመኑ ኸም ሳዕሪ እዩ፤ ከም ዕምበባ በረኻ ኸምኡ ይዕምብብ፤</verse>
				<verse number="16">ንፋስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ነፈሰ ይሓልፍ እዩሞ፤ ቦታኡውን ኣይፈልጦን እዩሞ።</verse>
				<verse number="17">ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፤ ፅድቁ ኸዓ ኣብቶም ውሉድ ወለዶ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ቃል ኪዳኑ ኣብ ዝሕልዉ፥ ትእዛዙውን ክፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝሓስቡ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንዙፋኑ ኣብ ሰማይ ኣዳለወ፤ መንግስቱውን ንዅሉ ይገዝእ።</verse>
				<verse number="20">ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኻትኩም፥ ኣቱም ፍቓዱ እትፍፅሙ ኣገልገልቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ፥ ኵልኻትኩም ፍጡራቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="104">
				<verse number="1">ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ የመና ዓብዪ ኢኻ፤ ግርማን ክብርን ለበስካ።</verse>
				<verse number="2">ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፤ ንሰማይ ከም ድንኳን ዘርጋሕኻዮ፤</verse>
				<verse number="3">ንኣዳራሹ ብማያት ዝሓንፅ፥ ሰረገላኡ ኸዓ ደመና ዝገብር፥ ብኽንፊ ንፋስ ዝኸይድ፥</verse>
				<verse number="4">ንመላእኽቱ መንፈስ፥ ንኣገልገልቱ ሃልሃልታ ሓዊ ዝገብር፥</verse>
				<verse number="5">ንዘለኣለም ከይትናወፅ፥ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣፅንዓ።</verse>
				<verse number="6">ብመዓሙቕ ከም ክዳን ከደንካያ፤ ማያት ኣብ ልዕሊ እምባታት ይቖሙ፤</verse>
				<verse number="7">ካብ መግናሕትኻ ዝተልዓለ ይሃድሙ፤ ብድምፂ ነጐድጓድካ ይድንግፁ።</verse>
				<verse number="8">ናብ እምባታት ይድይቡ፤ ናብቲ ዘዳሎኻሎም ስፍራ ናብ ቈላታት ይወርዱ።</verse>
				<verse number="9">ተመሊሶም ንምድሪ ምእንቲ ኸይሽፍንዋስ፥ ከይሓልፍዎውን ወሰን ገበርካሎም።</verse>
				<verse number="10">ዓይኒ ማያት ናብ ቈላታት ይልእኽ፤ ብመንጎ እምባታት ማያት ይሓልፉ፤</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ እንስሳ በረኻ ድማ የስትዩ፤ ኣእዱግ በረኻውን ፅምኣቶም የርውዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብኣቶም ይሰፍራ፤ ኣብ ማእኸል ስንጣቕ እቲ እምኒ ድማ፥ ድምፀን የስምዓ።</verse>
				<verse number="13">ንእምባታት ካብ መዛግብትኻ ተስትዮም፥ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትፀግብ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ምድሪ፥ እኽሊ ምእንቲ ኸውፅእ፥ እቲ ለምለምውን ንጥቕሚ ወዲ ሰብ፥ ንእንስሳ ድማ ሳዕሪ ተብቍል።</verse>
				<verse number="15">ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።</verse>
				<verse number="16">ኣእዋም እግዚኣብሄር፥ እቶም ንሱ ዝተኸሎም፥ ፅሕድታት ሊባኖስ ክፀግቡ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ኣዕዋፍ ኣብኡ ይዋለዳ፤ ሰፈር ራዛውን ጐረቤታቶም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ነዋሕቲ እምባታት ንዋልያታት፥ ኣኻውሕውን መዕቘብ ጊሐታት እዮም።</verse>
				<verse number="19">ንወርሒ መፍለዪ ጊዜታት ገበርካ፤ ፀሓይውን ዝዓርበሉ ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ፀልማት ተምፅእ፤ ለይቲውን ይኸውን፤ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ብኡኡ ይወፁ።</verse>
				<verse number="21">ሽደናት ኣንበሳ ኽነጥቑ ይጓዝሙ፤ ምግቦም ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ይደልዩ።</verse>
				<verse number="22">ፀሓይ ምስ በረቐት ይእከቡ፤ ኣብ ጐጕድጓዶም ድማ ይድቅሱ።</verse>
				<verse number="23">ሰብ ናብ ተግባሩ ይወፍር፤ ክሳዕ ዝመሲ ድማ እናሰርሐ ይውዕል።</verse>
				<verse number="24">ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።</verse>
				<verse number="25">እዛ ባሕሪ እዚኣ ዓባይን ገፋሕን እያ፤ ኣብኡ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሎም ዓበይትን ኣናእሽቱን ዝንቐሳቐሱ እንስሳታት ኣለዉ።</verse>
				<verse number="26">ኣብኡውን መራኽብ ይኸዳ። እቲ ንስኻ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን፥ ኣብኡ ይፃወት።</verse>
				<verse number="27">እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦም፥ ንኣኻ ብተስፋ ይፅበዩ።</verse>
				<verse number="28">ምስ ሃብካዮም ይእከቡ፤ ኢድካ ትዝርግሕ፤ ካብ ፅቡቕ ነገር ድማ ይፀግቡ።</verse>
				<verse number="29">ንስኻ ገፅካ ምስ መለስካ ግና ይድንግፁ፤ እስትንፋሶም ተውፅእ እሞ ይሞቱ፤ ናብ መሬቶምውን ይምለሱ።</verse>
				<verse number="30">መንፈስካ ትልእኽ፥ ንሳቶምውን ይፍጠሩ፤ ንገፅ ምድሪ እውን ትሕድስ።</verse>
				<verse number="31">ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይኹን፤ እግዚኣብሄር ብስራሑ ደስ ይብሎ።</verse>
				<verse number="32">ንምድሪ ይጥምታ፤ ክትንቅጥቀጥውን ይገብር፤ ንእምባታት ይነኽኦም፤ ንሳቶምውን ይትክዩ።</verse>
				<verse number="33">ብህይወተይ እንተለኹ ንእግዚኣብሄር ክዝምር እየ፤ ብዝነብረሉ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።</verse>
				<verse number="34">ቃለይ ንእኡ ይጥዓሞ፤ ኣነውን ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለኒ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም፤ ዓመፀኛታትውን ደጊም ኣይህልዉን። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="105">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱውን ንኣህዛብ ንገሩ።</verse>
				<verse number="2">ኣመስግኑ፤ ዘምሩሉ፤ ኵሉ ተኣምራቱውን ተናገሩ።</verse>
				<verse number="3">ብቅዱስ ስሙ ተመክሑ፤ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ልቢ ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፥ ክትብርትዑ ኢኹም፤ ኵልሻዕውን ገፁ ድለዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ዘርኢ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ኣብርሃም፥ ኣቱም ሕሩያቱ ውሉድ ያእቆብ፥ ዝገበሮ መስተንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን፥ ካብ ኣፉ ዝወፀ ፍርዱን ዘክሩ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤ ፍርዱውን ኣብ ኵሉ ምድሪ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ናይ ዘለኣለም ኪዳኑን፥ እቲ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ዝኣዘዞ ቓሉን ዘከረ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ንኣብርሃም ዝገበሮን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓሎን፥</verse>
				<verse number="10">ንያእቆብ ስርዓት ክኸውን፥ ንእስራኤል ድማ ኺዳን ዘለኣለም ክኸውን ኣፅንዖ።</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ድማ በለ፦ “ንኣኻ ምድሪ ከነዓን፥ ብፅሒት ርስትኻትኩም ክትኮነኩም ክህብ እየ።”</verse>
				<verse number="12">እዙይ ዝኾነ ንሳቶም ስደተኛታት፥ ብቝፅሪውን ውሑዳት ሰባት፥ እንተለዉ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ መንግስቲ እውን ናብ ካልእ ህዝቢ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="14">“ነቶም ዝቐባእኽዎም ኣይትንክእዎም፤ ንነቢያተይ ድማ ኽፉእ ኣይትግበርዎም” ኢሉ፥ ሰብ፥ ግፍዒ ኽፍፅመሎም ኣይፈቐደን።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ምእንትኣቶም ንነገስታት ገሰፀ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጥሜት ኣምፅአ፤ ንዅሉ ሓይሊ እኽሊ ኣጥፍአ።</verse>
				<verse number="17">ቀቅድሚኣቶም ሰብ ለኣኸ፤ ዮሴፍ ንባርነት ተሸጠ።</verse>
				<verse number="18">ኣእጋሩ ብመቝሕ ደኸማ፤ ነፍሱውን ካብ መቝሕ ኣምለጠት።</verse>
				<verse number="19">ቃሉ ኽሳዕ ዝመፀሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ፈተኖ።</verse>
				<verse number="20">ንጉስ፥ ልኢኹ ፈትሖ፤ እቲ ሓለቓ ኣህዛብውን ኣፍትሖ።</verse>
				<verse number="21">ጐይታ ቤቱ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱውን ኣዛዚ ገበሮ።</verse>
				<verse number="22">ነሕሉቕ ከም ድላዩ ኽግስፅ፥ ነቶም መማኽርቱውን ጥበበኛታት ምእንቲ ኽገብሮም እዩ።</verse>
				<verse number="23">እስራኤል ናብ ግብፂ ኣተወ፤ ያእቆብውን ኣብ ምድሪ ካም ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="24">ንህዝቡ የመና ኣብዝሖም፤ ካብ ፀላእቶምውን ኣበርትዖም።</verse>
				<verse number="25">ንህዝቡ ኽፀልእዎም፥ ንባሮቱ ኽተናዀልዎም ልቦም ለወጠ።</verse>
				<verse number="26">ንባርያኡ ንሙሴን ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን ለኣኸ።</verse>
				<verse number="27">ናይ ተኣምራቱ ምልክት ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ዘደንቕ ነገርውን ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።</verse>
				<verse number="28">ፀልማት ሰደደ፤ ፀልመቶምውን፤ ንቓሉውን ዓመፁ።</verse>
				<verse number="29">ንማያቶም ናብ ደም ለወጠ፤ ንዓሳታቶም ከዓ ቐተለ።</verse>
				<verse number="30">ምድሮምን፥ ኣብያተ ነገስታቶምን ብጭንቍራዕ መልኡ።</verse>
				<verse number="31">ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።</verse>
				<verse number="32">ንዝናሞም በረድ ገበሮ፤ ሓዊ ኣብ ምድሮም ተባርዐት።</verse>
				<verse number="33">ንወይኖምን ንበለሶምን ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም ዓዶምውን ሰባበረ።</verse>
				<verse number="34">ተናገረ እሞ፥ ስፍሪ ቝፅሪ ዘይብሉ ኣንበጣን ኵብኵብታን መፀ፤</verse>
				<verse number="35">ንዅሉ ተኽልታት ሃገሮም በልዖ፤ ንዅሉ ፍረ ምድሮምውን በልዐ።</verse>
				<verse number="36">ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፥ ንዅሉ በዅሪ ሓይሎም ቀተለ።</verse>
				<verse number="37">ምስ ወርቅን ብሩርን ኣውፅኦም፤ ኣብ ማእኸል ነገዳቶም ደዌ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="38">ፈሪሖምዎም ነይሮም እዮምሞ፥ ብምውፃኦም ግብፂ ተሓጐሰት።</verse>
				<verse number="39">ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።</verse>
				<verse number="40">ለመኑ ብርንሂጎታት ድማ ኣምፅአሎም፤ ብሕብስቲ ሰማይውን ኣፅገቦም።</verse>
				<verse number="41">ኰዅሒ ሰንጠቐ፤ ማያትውን ኣውሓዘ፤ ወሓይዝ ብበረኻ ኸዱ።</verse>
				<verse number="42">ነቲ ቕዱስ ቃሉን፥ ነቲ ባርያኡ ኣብርሃምን፥ ዘኪሩ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="43">ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።</verse>
				<verse number="44">ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።</verse>
				<verse number="45">ትእዛዛቱ ምእንቲ ኽሕልዉን፥ ሕጉውን ምእንቲ ኽፍፅሙን እዩ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="106">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ንሓይሊ እግዚኣብሄር መን ክናገር ይኽእል? ንዅሉ ምስጋናኡኸ መን የስምዕ?</verse>
				<verse number="3">ኵልሻዕ ፍትሒ ዝሕልዉን ቅንዕና ዝገብሩን ዝተባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ብሞገስ ዘክረና።</verse>
				<verse number="5">ብመድሓኒትካ ድማ ተመልከተና፤ ሰናይ ናይ እቶም ዝመረፅካዮም ምእንቲ ኽንርኢ፥ ብደስታ ህዝብኻውን ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽንሕበን።</verse>
				<verse number="6">ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።</verse>
				<verse number="7">ኣቦታትና ኣብ ግብፂ እንተለዉ፥ ነቲ ዝገበርካዮ ዘደንቅ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ኣይሓሰብዎን፤ ብባሕሪ ኤርትራ ምስ ሓለፉ ዓመፁ።</verse>
				<verse number="8">ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="9">ንባሕሪ ኤርትራ ገሰፃ እሞ ነፀፈት፤ ከም ምድረ በዳ ብዓሚቝ መርሖም።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኢድ ተፃረርቶም ድማ ኣድሓኖም፤ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ኣናገፎም።</verse>
				<verse number="11">ነቶም ዘሳጐጉዎም ግና ማይ ደፈኖም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ብቓሉ ኣመኑ፤ ምስጋናኡውን ዘመሩሉ።</verse>
				<verse number="13">ቀልጢፎም ንስራሑ ረስዕዎ፤ ብምኽሩውን ኣይተዓገሱን።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።</verse>
				<verse number="15">ንሱውን ዝለመንዎ ሃቦም፤ ግና ንነፍሶም ዕብራን ሰደደሎም።</verse>
				<verse number="16">ኣብቲ ሰፈር፥ ንሙሴን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐደሶ ኣሮንን ኣቘጥዕዎም።</verse>
				<verse number="17">ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፤ ንወገን ኣቤሮንውን ደፈነቶም።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ማሕበሮምውን ሓዊ ነደደ፤ ነበልባል ንሓጥኣን ኣቃፀሎም።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ኮሬብውን ምራኽ ሰርሑ፤ ነቲ ዝፈሰሰ ምስሊ ድማ ሰገዱ።</verse>
				<verse number="20">ንኽብሮምውን፥ ብምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፥ ንዘድሓኖም እግዚኣብሄር ረስዕዎ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ኣብ ምድሪ ኸም ዓበይቲ ተኣምራት፥ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸዓ ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ ሽዑ “ከጥፍኦም እየ” በለ፤ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ኸየጥፍኦም፥ ካብ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኽምለስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ማእኸል ቆመ።</verse>
				<verse number="24">ነታ ፍትውቲ ምድሪ ነዓቕዋ፤ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ውሽጢ ድንኳኖም ኮይኖም ኣጕረምረሙ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ምድረ በዳ ኽድርብዮም፥ ንዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክድርቢ፥ ናብ ዝተፈላለየ ሃገር ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢዱ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ምስ ብዔል ፌጎርውን ተሓባበሩ፤ መስዋእቲ ምዉታትውን በልዑ።</verse>
				<verse number="29">ብግብርታቶም ኣቘጥዕዎ፤ መዓትውን ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤ እቲ መዓት ድማ ሓደገ።</verse>
				<verse number="31">እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።</verse>
				<verse number="32">መሊሶም ኣብ ማይ መሪባ ኣቘጥዕዎ፤ ሙሴውን ካብኣቶም ዝተልዓለ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="33">ንመንፈሱ ስለ ዘምረርዋ ድማ፥ ብኸናፍሩ ስንፍና ተዛረበ።</verse>
				<verse number="34">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፥ ንኣህዛብ ኣየጥፍእዎምን፤</verse>
				<verse number="35">እኳ ደኣ ምስ ኣህዛብ ተሓዋወሱ፤ ተግባራቶምውን ተምሃሩ።</verse>
				<verse number="36">ንጣዖታቶምውን ተገዝኡ፤ እዙይ ከዓ መፃወድያ ኾኖም።</verse>
				<verse number="37">ነወዳቶምን ነጓላቶምን ከዓ፥ ነጋንንቲ ሰውእዎም።</verse>
				<verse number="38">ናይ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን፥ ንፁህ ደም ኣፍሰሱ፤ ንጣዖታት ከነዓን ሰውእዎም፤ እታ ምድሪ እውን ብደም ረኸሰት።</verse>
				<verse number="39">ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።</verse>
				<verse number="40">ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ነቶም ርስቱ ኸዓ ተፀየፎም።</verse>
				<verse number="41">ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ እቶም ፀላእቶም ድማ ገዝእዎም።</verse>
				<verse number="42">ፀላእቶምውን ኣሳቐይዎም፤ ኣብ ትሕቲ ኢዶም ከዓ ተዋረዱ።</verse>
				<verse number="43">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብዙሕ ጊዜ ኣድሓኖም፤ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ኣቘጥዕዎ፤ ብሓጢኣቶም ከዓ ተዋረዱ።</verse>
				<verse number="44">ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።</verse>
				<verse number="45">ምእንትኣቶም ኢሉ ቓል ኪዳኑ ዘከረ፤ ከም ብዝሒ ምሕረቱውን ራህርሀሎም።</verse>
				<verse number="46">ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።</verse>
				<verse number="47">ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።</verse>
				<verse number="48">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ይባረኽ፤ ኵሉ ህዝቢ እውን “ኣሜን” ይበል። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="107">
				<verse number="1">“እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩሞ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ ኣመስግንዎ።”</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም፥ ካብ ኢድ ፀላኢውን ዘድሓኖም ይናገሩ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።</verse>
				<verse number="4">ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል በሉ፤ ናይቲ ዝነብሩሉ ኸተማውን መንገዲ ኣይረኸቡን።</verse>
				<verse number="5">ጠመዩ፤ ፀምኡውን፤ ነፍሶም ኣብ ልዕሊኣቶም ሃለቐት።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ምስ ጨነቆም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="7">ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።</verse>
				<verse number="8">ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።</verse>
				<verse number="10">ገሊኣቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ዝተጨነቑ፥ ኣብ ውሽጢ ፀልማትን ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ነበሩ፤</verse>
				<verse number="11">ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝዓመፁ፥ ንምኽሪ ልዑልውን ስለ ዝነዓቑ፤</verse>
				<verse number="12">ልቦም ብድኻም ተዋረደ፤ ሓመሙ፤ ዝረድኦምውን ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="13">ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ካብ መከራኦምውን ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="14">ካብ ፀልማትን ካብ ፅላሎት ሞትን ኣውፅኦም፤ መዋቕሖም ከዓ ሰባበረ።</verse>
				<verse number="15">ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ስለ ዓመፃኣቶም ሰነፉ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ተሸገሩ።</verse>
				<verse number="18">ሰብነቶም ንዅሉ ምግቢ ተፀየፈት፤ ናብ ኣፍ ደገ ሞትውን ቀረቡ።</verse>
				<verse number="19">ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኣቶም ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="20">ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፤ ካብ መከራኣቶምውን ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="21">ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="22">መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።</verse>
				<verse number="23">ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዝወርዱ፥ ኣብ ብዙሕ ማያትውን ስራሖም ዝሰርሑ፥</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም ስራሕ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ መዓሙቕ ዘሎ ዘደንቕ ተግባሩን ረአዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣዘዘ፤ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ተስአ፤ ማዕበልውን ልዕል ልዕል በለ።</verse>
				<verse number="26">ናብ ሰማይ ይድይቡ፤ ናብ መዓሙቝ ኸዓ ይወርዱ፤ ነፍሶም ድማ ብመከራ መኸኸት።</verse>
				<verse number="27">ደንገፁ፤ ከም ሰካራምውን ሰንደልደል በሉ፤ ኵሉ ጥበቦምውን ተውሓጠ።</verse>
				<verse number="28">ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።</verse>
				<verse number="29">ነቲ ኣውሎ ነፋስ ፀጥ ኣበለ፤ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ።</verse>
				<verse number="30">ሃዲኡ እዩሞ ተሓጐሱ፤ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ መርሖም።</verse>
				<verse number="31">ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ማእኸል ጉባኤ ህዝቢ ልዕል ልዕል የብልዎ፤ ኣብ ባይቶ ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ።</verse>
				<verse number="33">ንኣፍላግ ምድረ በዳ፥ ንዓይኒ ማያት ከዓ ደረቕ ገበሮም።</verse>
				<verse number="34">ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።</verse>
				<verse number="35">ንምድረ በዳ ምውሓዝ ማይ፥ ንንቑፅ ምድሪ ኸዓ ዓይኒ ማይ ገበረ።</verse>
				<verse number="36">ኣብኡውን ንጥሙያት ኣስፈረ፤ ንሳቶም ከዓ ዝነብሩላ ኸተማ ሰርሑ።</verse>
				<verse number="37">ወይኒ እውን ተኸሉ፤ ገራሁውን ዘርኡ፤ ብዙሕ ምህርቲ እኽልውን ኣእተዉ።</verse>
				<verse number="38">ባረኾም፤ የመናውን በዝሑ፤ እንስሳኣቶምውን ኣየውሓደሎምን።</verse>
				<verse number="39">ንሳቶም ከዓ ብጭንቂ ብመከራ ብሓዘን ተሳቐዩ፤ እናወሓዱውን ከዱ።</verse>
				<verse number="40">ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቖምውን ሓሳር ኣፍሰሰ፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኸርተት ኣበሎም።</verse>
				<verse number="41">ነቲ ድኻውን ካብ ሽግሩ ረድኦ፤ ንወገናቱ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብዝሖም።</verse>
				<verse number="42">ቅኑዓት ይርኣዩ፥ ደስውን ይበሎም፤ ኵላ ሓጢኣትውን ኣፋ ክትዓፁ እያ።</verse>
				<verse number="43">ነዙይ ዝሕልዎ ለባም መን እዩ? እግዚኣብሄር መሓሪ ኸም ዝኾነ ኸስተውዕል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="108">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ልበይ ፅኑዕ እዩ፤ ልበይ ፅኑዕ እዩ፤ ከመስግን እየ፤ ብኽብረይውን ክዝምር እየ።</verse>
				<verse number="2">በገናን መሰንቆን ተስኡ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ኽትስእ እየ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታይ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ፥ ኣብ ማእኸል ህዝብታትውን ክዝምረልካ እየ።</verse>
				<verse number="4">ምሕረትካ ኽሳዕ ሰማያት ዓበየት፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናታት እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ኣብ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ፈተውትኻ ምእንቲ ኽድሕኑ ብየማናይካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ብቕድስናኡ ተናገረ፦ “ኣነውን ደስ ይብለኒ፤ ንሴኬምውን ክማቐል እየ፤ ንለሰ ሱኮትውን ክልክዕ እየ።</verse>
				<verse number="8">ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳ ንጉሰይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ሞኣብ መሕፀብየይ እዩ፤ ኣብ ኤዶምያስ ሳእነይ ክዝርግሕ እየ፤ ፍልስጥኤማውያን ክግዝኡለይ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ናብታ ፅንዕቲ ኸተማስ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶምያስከ መን ይመርሐኒ?</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ ዝደርበኻና ንስኻዶ ኣይኮንካን? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትና ኣይትወፅእን።</verse>
				<verse number="12">ብጊዜ መከራና ረድኤት ሃበና፤ ናይ ሰብውን ምድሓን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ብእግዚኣብሄር ሓይሊ ኽንገብር ኢና፤ ንሱውን ነቶም ዘጨንቑልና ኸዋርዶም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="109">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኽ፥ ንልመናይ ሸለል ኣይትበል።</verse>
				<verse number="2">ኣፍ ሓጥእን ኣፍ ዓማፅን ኣብ ልዕለይ ተኸፊቶም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕለይውን ብሓሰት ኣንደበት ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="3">ብቓል ፅልኢ ኸበቡኒ፤ ብኸንቱውን ተዋግኡኒ።</verse>
				<verse number="4">ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተፃረሩኒ፤ ኣነ ግና እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊኡ ሓጢኣተኛ ሹም፤ ሰይጣንውን ኣብ የማኑ ይቑም።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ዝማጐተሉ ጊዜውን ተረቲዑ ይውፃእ፤ ፀሎቱውን ሓጢኣት ትኹኖ።</verse>
				<verse number="8">መዋዕሉውን ውሑዳት ይኹና፤ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።</verse>
				<verse number="9">ውሉዱ ደኽታማት ይኹኑ፤ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።</verse>
				<verse number="10">ደቁ ኸርተት ይበሉ፤ ለማኖውን ይኹኑ፤ ካብ ኣባይቶምውን ይስጐጕዎም።</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ ገንዘቡ በዓል ዕዳ ይውረሮ፤ ንዅሉ ዝደኸመሉውን ባዕዲ ይዝመቶ።</verse>
				<verse number="12">ዝረድኦውን ኣይርከብ፤ ንደኽታማት ደቁ ዝርህርሀሎም ኣይሃሉ።</verse>
				<verse number="13">ደቁ ይጥፍኡ፤ ብሓደ ትውልዲ ስሙ ይደምሰስ።</verse>
				<verse number="14">በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ይሃሉ፤ መዘከርታኡውን ካብ ምድሪ ይጥፋእ።</verse>
				<verse number="16">ምሕረት ክገብር ኣይሓሰበንሞ፤ ንሽግረኛን ንምስኪንን ሰጐጐ፤ ልቡ ንዝተሰብሮ ሰብ ንምቕታልውን ልቡ ጨካን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንመርገም ፈተዋ፤ ናብኡ ድማ መፀት፤ ንበረኸት ኣይመረፃን፤ ካብኡ ድማ ረሓቐት።</verse>
				<verse number="18">ንመርገም ከም ክዳን ተኸደና፤ ከም ማይ ናብ መዓንጣኡ፥ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕፅምቱ ሰረፀት።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ ዝውንዘፎ ልብስን፥ ከምቲ ዅልሻዕ ዝዕጠቖ ቅናትን ይኹኖ።</verse>
				<verse number="20">እዝ ግብሪ እዙይ ኣብቶም ምስ እግዚኣብሄር ዘፃልኡኒ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሰይውን ክፉእ ዝናገሩ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ምእንቲ ስምካ ኢልካ፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕልይ ግበር፤ ምሕረትካ ሰናይ እዩሞ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ እሞ፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀኒ።</verse>
				<verse number="23">ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።</verse>
				<verse number="24">ኣብራኸይ ብፆም ደኸማ፤ ስጋይውን ቅብኣት ብምስኣን ዓበረ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ ኸዓ መላገፂኦም ኮንኩ፤ እንትሪኡኒውን ርእሶም ይንቕንቑ።</verse>
				<verse number="26">ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ርድአኒ፤ ከም መጠን ምሕረትካውን ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="27">ኦ ጐይታ፥ እዚኣ ኢድካ ኸም ዝኾነት፥ ንስኻውን ነዙይ ከም ዝገበርካ ይፍለጡ።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ይራገሙ፤ ንስኻ ግና ባርኽ፤ እቶም ኣባይ ዝለዓሉ፥ ይሕፈሩ፤ ባርያኻ ግና ይተሓጐስ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ዘፃልኡኒ ሓፍረትን ውርደትን ይከደኑ፤ ንነውሮምውን ከም ነፀላ ይወንዘፍዎ።</verse>
				<verse number="30">ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ የመና ኸመስግኖ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።</verse>
				<verse number="31">ካብቶም ንነፍሱ ዝዅንንዋ ምእንቲ ኸድሕና፥ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቖይሙ እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="110">
				<verse number="1">ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="3">ብቐደሙውን፥ ብመዓልቲ ሓይሊ ብቅዱሳን ብርሃን፥ ቅድሚ ኮኸብ ፅባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከ ፄዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ኢሉ መሓለ፤ ኣይናሳሕንውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ሬሳታትውን ከብዝሕ እዩ፤ ኣብ ሰፊሕ ምድሪ፥ ኣራእስ ክቕጥቕጥ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ መንገዲ ኻብ ወሓዚ ማይ ክሰቲ እዩ፤ ስለዙይ ርእሱ ልዕል ልዕል ከብል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="111">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ኦ ጐይታ፥ ኣብ ባይቶ ቕኑዓት ኣብ ማእኸል ጉባኤ፥ ብፍፁም ልበይ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ብዅሎም እቶም ዝሕጐሱላ ተደላዪት እያ።</verse>
				<verse number="3">ስራሑ ምስጋናን ግርማን እዩ፤ ፅድቁ ኸዓ ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
				<verse number="4">ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበረ፤ እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንዝፈርሕዎ ምግቢ ይህቦም፤ ንኪዳኑውን ንዘለኣለም ይዝክር።</verse>
				<verse number="6">ርስቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኽህቦም፥ ንህዝቡ ሓይሊ ግብሩ ኣርኣየ።</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ተግባር ኢዱ ሓቅን ፍርድን እዩ፤ ኵሉ ትእዛዛቱውን እሙን እዩ፤</verse>
				<verse number="8">ንዘለኣለመ ኣለም ፀኒዑ ይነብር፤ ብሓቅን ብቕንዕናን ዝተሰርሐ እዩ።</verse>
				<verse number="9">መድሓኒትውን ንህዝቡ ሰደደ፤ ኪዳኑውን ንዘለኣለም ኣዘዘ፤ ስሙ ቅዱስን ዝፍራሕን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ናይ ጥበብ መጀመርታ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ፤ ኵሎም እቶም ዝፍፅምዋ፥ ሰናይ ምስትውዓል ኣለዎም፤ ምስጋናኡውን ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="112">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ንትእዛዛቱውን ዝሕሉ ሰብ የመና ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ዘርኡ ኣብ ምድሪ ፅኑዕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ ፃድቃን ክባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ክብርን ሃብትን ኣብ ገዛኡ እዩ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
				<verse number="4">ንቕኑዓት ኣብ ፀልማት ብርሃን ወፀ፤ መሓርን ይቕረ በሃላይን ፃድቕውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሕያዋይ ሰብ ይርህርህን የለቅሕን፤ ንነገሩ ብፍትሒ ይፍፅሞ።</verse>
				<verse number="6">ንዘለኣለምውን ኣይህወኽን፤ መዘከርታ ፃድቕ ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
				<verse number="7">ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ልቡ ተባዕ እዩ፤ ኣይፈርሕን።</verse>
				<verse number="9">በተነ ንድኻታትውን ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር፤ ቀርኑውን ብኽብሪ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="10">ሓጥእ ነዙይ ሪኡ ይቝጣዕ፤ ኣስናኑ ይሕርቕም፤ ይመክኽውን፤ ትምኒት ሓጥኣንውን ትጠፍእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="113">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ስም እግዚኣብሄር ብሩኽ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ ክሳዕ ምዕራባ፥ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፤ ክብሩ ኸዓ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ?</verse>
				<verse number="6">ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዝተዋረዱ ዝርኢ፥</verse>
				<verse number="7">ንድኻ ኻብ መሬት ዘልዕል፥ ንምስኪንውን ካብ መሬት ልዕል ዘብሎ፥</verse>
				<verse number="8">ምስ ኣሕሉቕን፥ ምስ ኣሕሉቕ ህዝቡን ምእንቲ ኸቐምጦ፥</verse>
				<verse number="9">ንመኻን ኣብ ቤት የንብራ፥ ሕጉስቲ እኖ ቘልዑውን ይገብራ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="114">
				<verse number="1">እስራኤል ካብ ግብፂ፥ ቤት ያእቆብውን ካብ ቋንቋኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ ብዝወፁሉ ጊዜ፥</verse>
				<verse number="2">ይሁዳ መቕደሱ፥ እስራኤል ድማ ግዝኣቱ ኾነ።</verse>
				<verse number="3">ባሕሪ ረአየት፤ ሃደመትውን፤ ዮርዳኖስ ከዓ ንድሕሪት ተመለሰ።</verse>
				<verse number="4">እምባታት ከም ሽደናት፥ ኰረብታታት ድማ ከም ብተያት ዘለሉ።</verse>
				<verse number="5">ኣቲ ባሕሪ፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ? ኣታ ዮርዳኖስከ እንታይ ኴንካ ኢኻ ንድሕሪት ዝተመለስካ?</verse>
				<verse number="6">ኣቱም እምባታት እንታይ ኴንኩም ኢኹም ከም ሽደናት ዝተሰራሰርኩም? ኰረብታታትከ እንታይ ኴንኩም ኢኹም ከም ብተያት ዝዘለልኩም?</verse>
				<verse number="7">ኦ ምድሪ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፥ ንጭንጫ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ።</verse>
				<verse number="8"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="115">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።</verse>
				<verse number="2">ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ኣይበሉና።</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽናስ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ዝደለዮ ይገብር።</verse>
				<verse number="4">ጣዖታት ኣህዛብ፥ ኢድ ሰብ ዝገበሮም፥ ስርሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣፍ ኣለዎም፤ ግና ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን።</verse>
				<verse number="6">እዝኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን፤ ኣፍንጫ ኣለዎም፤ ግና ኣየጫንዉን።</verse>
				<verse number="7">ኢድ ኣለዎም፤ ግና ኣይድህስሱን፤ እግሪ ኣለዎም፤ ግና ኣይኸዱን፤ ብጐረሮኦም ድማ ኣይናገሩን።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም ዝሰርሑዎምን ዝእመንዎምን፥ ከምኣቶም ይኹኑ።</verse>
				<verse number="9">ቤት እስራኤል፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ዘከረና፤ ይባርኸናውን እዩ፤ ንቤት እስራኤል ድማ ኽባርኾም እዩ፤ ንቤት ኣሮንውን ክባርኾም እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንዅሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ክባርኾም እዩ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ደቅኹምን ይወስኽ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ እግዚኣብሄር ቡሩኻቱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">ናይ ሰማያት ሰማይ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃበ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ጐይታ፥ ምዉታት ዘመስግኑኻ ኣይኮኑን፤ ኵላቶም ናብ ሲኦል ዝወርዱውን ከምኡ።</verse>
				<verse number="18">ንሕና ግና ኻብ ሕዚ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ንእግዚኣብሄር ክንባርኾ ኢና። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="116">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ።</verse>
				<verse number="2">እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።</verse>
				<verse number="3">ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኣነ፦ “ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና” ኢለ፥ ስም እግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር መሓርን ፃድቕን እዩ፤ ኣምላኽናውን ይቕረ በሃላይ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ንህፃናት ይሕልዎም፤ ተሸገርኩ፤ ንሱውን ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፥ ኦ ነፍሰይ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።</verse>
				<verse number="8">ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፥ ነእጋረይ ካብ ምንድልሃፅ ኣድሒንካየን ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="9">ኣነውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክነብር እየ።</verse>
				<verse number="10">ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተናገርኩ፤ ኣነውን የመና ተጨነቕኩ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።</verse>
				<verse number="12">ክንዲ እቲ ዅሉ ንኣይ ዝገበረለይ፥ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክመልሰሉ እየ?</verse>
				<verse number="13">ናይ ምድሓን ፅዋዕ ክቕበል እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፥ መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ።</verse>
				<verse number="15">ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ፥ ኣነ ባርያኻ እየ፤ ኣነ ባርያኻ ወዲ ኣንስተይቲ ባርያኻ እየ፤ መዋቕሐይ ሰበርካ።</verse>
				<verse number="17">ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብ ኣደባባይ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኦ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸልኪውን። መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ። ሃሌ ሉያ።</verse>
				<verse number="19"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="117">
				<verse number="1">ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ኵሎም ህዝብታትውን፥ ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ምሕረቱ ኣባና ፀኒዓ እያሞ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሓቂ ንዘለኣለም ይነብር። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="118">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፥ ሕያዋይ እዩሞ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ህዝቢ እስራኤል ሕዚ ይንገሩ።</verse>
				<verse number="3">ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ቤት ኣሮን ሕዚ ይንገሩ።</verse>
				<verse number="4">ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ኵሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሕዚ ይንገሩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኽዎ፤ ሰምዐኒ፤ ኣስፍሐለይውን።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብ እንታይ ክገብረኒ ይኽእል?</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ክርኢ እየ።</verse>
				<verse number="8">ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ።</verse>
				<verse number="9">ብገዛእቲ ተስፋ ኻብ ምግባር፥ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር ይበልፅ።</verse>
				<verse number="10">ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፤ ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣሰነፍኩዎም።</verse>
				<verse number="11">ምኽባብስ ከበቡኒ፤ ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣሰነፍኩዎም።</verse>
				<verse number="12">ንህቢ ንመዓር ከም ዝኸብብ ከበቡኒ፤ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እሾኽ ከም ዝነድድ ነደዱ፤ ብስም እግዚኣብሄር ድማ ኣሰነፍኩዎም።</verse>
				<verse number="13">ደፋእኻኒ፥ ንኽወድቕውን ገድገድ በልኩ፤ እግዚኣብሄር ግና ሓገዘኒ።</verse>
				<verse number="14">ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን መድሓኒየይ ኮነ።</verse>
				<verse number="15">ድምፂ ዕልልታን መድሓኒትን፥ ኣብ ድንኳን ፃድቃን እዩ፤ “የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ሓይሊ ገበረት።</verse>
				<verse number="16">የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ልዕል ልዕል ኣበለትኒ፤ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ሓይሊ ገበረት።”</verse>
				<verse number="17">ብህይወት ክነብር እየ እምበር፥ ኣይመውትን፤ ንስራሕ እግዚኣብሄር ከዓ ኽነግር እየ።</verse>
				<verse number="18">ምግሳፅስ እግዚኣብሄር ገሰፀኒ፤ ንሞት ግና ኣሕሊፉ ኣይሃበንን።</verse>
				<verse number="19">ብኣኣተን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፥ በርታት ፅድቂ ኽፈቱለይ።</verse>
				<verse number="20">እዚኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣፍ ደገ እያ፤ ፃድቃንውን ናብኣ ይኣትዉ።</verse>
				<verse number="21">ስለ ዝሰማዕኻንን፥ መድሓኒየይውን ስለ ዝኾንካንን፥ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ኻብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ።</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ዝሰርሓ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ብኣኣ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና።</verse>
				<verse number="25">ኦ ጐይታ፥ በይዛኻ ሕዚ ኣድሕን፤ ኦ ጐይታ፥ በይዛኻ ኣቕንዐልና።</verse>
				<verse number="26">እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ባረኽናኩም።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፤ ንሱውን ኣብርሀልና፤ ክሳዕ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፥ ነቲ መስዋእቲ በዓል ብገመድ ኣሰርዎ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ አመስግነካ ኣለኹ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ፤ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ፥ መድሓኒትውን ኴንካኒ ኢኻሞ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="29">ሰናይ እዩሞ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="119">
				<verse number="1">ብመንገዶም ንፁሃን ዝኾኑ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝኸዱ ቡሩኻት እዮም።</verse>
				<verse number="2">ምስክርነቱ ዝሕልዉ፥ ብምሉእ ልቦምውን ዝደልይዎ ዝተባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ዓመፅ ኣይገብሩን፤ ብመንገድታቱ ኸዓ ይኸዱ።</verse>
				<verse number="4">ንትእዛዛትካ ተጠንቂቕና ምእንቲ ኽንሕልዎ፥ ንስኻ ኣዘዝካና።</verse>
				<verse number="5">ስርዓታትካ ንኽሕሉ፥ መንገድታተይ ክቐንዐለይ ምፈተኹ ነይረ።</verse>
				<verse number="6">ኵሉ ትእዛዛትካ እንትምልከት፥ ሽዑ ኣይሓፍርን እየ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ ነቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ምስ ተምሃርኩ፥ ብቕኑዕ ልቢ ኸመስግነካ እየ።</verse>
				<verse number="8">ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፤ ፈፂምካ ኣይትደርብየኒ።</verse>
				<verse number="9">መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብምሉእ ልበይ ደለኹኻ፤ ካብ ትእዛዝካ ኣይተርሕቐኒ።</verse>
				<verse number="11">ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቡሩኽ ኢኻ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ፍርዲ ኣንደበትካ፥ ብኸንፈረይ ነገርኩ።</verse>
				<verse number="14">ከም ኵሉ ሃብቲ፥ ብመንገዲ ምስክርነትካ ደስ በለኒ።</verse>
				<verse number="15">ንትእዛዛትካ አስተንትኖ ኣለኹ፤ ንመንገድኻውን እደልዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ብትእዛዛትካ እሕጐስ፤ ንቓልካውን ኣይርስዖን እየ።</verse>
				<verse number="17">ብህይወት ክነብር፥ ቃልካውን ክሕሉስ፥ ንኣገልጋሊኻ ሰናይ ግበረለይ።</verse>
				<verse number="18">ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ኣብዛ ምድሪ ጋሻ እየ፤ ትእዛዛትካ ኻባይ ኣይትሰውር።</verse>
				<verse number="20">ነፍሰይ ኵልሻዕ ንፍርድኻ የመና ናፈቐት።</verse>
				<verse number="21">ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዝሰሓቱ ትዕቢተኛታትን ርጉማትን ገሰፅካዮም።</verse>
				<verse number="22">ምስክርነትካ ደልየ እየ እሞ፥ ፀርፍን ንዕቐትን ካባይ ኣርሕቕ።</verse>
				<verse number="23">መሳፍንቲ ድማ ተቐሚጦም ነኣይ ሓመዩኒ፤ ኣገልጋሊኻ ግና ሕግታትካ የስተንትን ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ምስክርነትካ ነኣይ ሓጐሰይ እዩ፤ ስርዓትካውን መኻርየይ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ነፍሰይ ናብ ምድሪ ተፀግዐት፤ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="26">መንገድኻ ነገርኩ፤ ንስኻውን ሰማዕኻኒ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="27">መንገዲ ስርዓትካ ኸስተውዕል ግበረኒ፤ ንተኣምራትካውን ከስተንትኖ እየ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ነፍሰይ ተታኸሰት፤ ብቓልካ ኣፅንዐኒ።</verse>
				<verse number="29">መንገዲ ዓመፅ ካባይ ኣርሕቕ፤ ሕግኻውን መሃረኒ።</verse>
				<verse number="30">መንገዲ ሓቂ መረፅኩ፤ ፍርድኻውን ኣይረሳዕኹን።</verse>
				<verse number="31">ኦ ጐይታ፥ ናብ ምስክርነትካ ተፀጊዐ እየሞ ኣይተሕፍረኒ።</verse>
				<verse number="32">ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥ ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።</verse>
				<verse number="33">ኦ ጐይታ፥ መንገዲ ስርዓታትካ መሃረኒ፤ ኣነ ኸዓ ኽሳዕ መወዳእታ ኽሕልዎ እየ።</verse>
				<verse number="34">ምስትውዓል ሃበኒ፤ ኣነ ኸዓ ንሕግኻ ኽደልዮ፥ ብምሉእ ልበይውን ክሕልዎ እየ።</verse>
				<verse number="35">ንኣኣ ፈትየ እየ እሞ፥ ብመንገዲ ትእዛዝካ ምርሐኒ።</verse>
				<verse number="36">ልበይ ናብ ስስዐ ዘይኮነስ፥ ናብ ምስክርነትካ ኣዘምብሎ።</verse>
				<verse number="37">ነዒንተይ ከንቱ ነገር ካብ ምጥማት ምለሰን፤ ብመንገድኻውን ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="38">ምእንቲ ክፈርሐካ፥ ንባርያኻ ብቓልካ ኣፅንዓዮ።</verse>
				<verse number="39">ፍርድኻ ሰናይ እዩሞ፥ ንዝፈርሖ ፀርፊ ኻባይ ኣርሕቕ።</verse>
				<verse number="40">እንሆ ትእዛዛትካ ናፈቕኩ፤ ብፅድቅኻ ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="41">ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ቓልካ፥ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምፅኡኒ።</verse>
				<verse number="42">ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥ ነቶም ዝፀርፉኒ ብነገር መልሲ ኽህቦም እየ።</verse>
				<verse number="43">ብፍርድታትካ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥ ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈፂምካ ኣይተርሕቕ።</verse>
				<verse number="44">ክሳዕ ዘለኣለመ ኣለም፥ ንሕግኻ ዅልሻዕ ክሕልዎ እየ።</verse>
				<verse number="45">ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥ ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።</verse>
				<verse number="46">ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤ ኣይሓፍርንውን።</verse>
				<verse number="47">በቶም የመና ዝፈትዎም፥ ትእዛዛትካ ደስ ይብለኒ።</verse>
				<verse number="48">ናብቶም ዝፈትዎም ትእዛዛትካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ፤ ንስርዓታትካውን ከስተንትን እየ።</verse>
				<verse number="49">ነቲ ንኣይ ንኣገልጋሊኻ ዘተስፈኻዮ ቓል ዘክር፤ ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="50">እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ።</verse>
				<verse number="51">ዕቡያት የመና ዓመፁ፤ ኣነ ግና ኻብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።</verse>
				<verse number="52">ኦ ጐይታ፥ ነቲ ኻብ ጥንቲ ዝነበረ ፍርድታትካ እዝክሮ፤ ብእኡውን እፀናናዕ።</verse>
				<verse number="53">ካብቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ሓጢኣተኛታት ዝተልዓለ፥ ሓዘን ሓዘኒ።</verse>
				<verse number="54">ተሰዲደ ኣብ ዝኸድኩሉ ዓዲ፥ ስርዓታትካ መዝሙር ኮነኒ።</verse>
				<verse number="55">ኦ ጐይታ፥ ብለይቲ ስምካ ዘከርኩ፤ ሕግኻውን ሓለኹ።</verse>
				<verse number="56">ንትእዛዛትካውን ደልየ ኣለኹሞ፤ ንሳውን ኮነትኒ።</verse>
				<verse number="57">እግዚኣብሄር፥ ግደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሕግኻ ኽሕሉ እየ በልኩ።</verse>
				<verse number="58">ብፍፁም ልበይ ናብ ገፅካ ተማህለልኩ፤ ከም ቃልካውን መሓረኒ።</verse>
				<verse number="59">ብዛዕባ መንገድታተይ ሓሰብኩ፤ ኣእጋረይውን ናብ ምስክርነትካ መለስኩ።</verse>
				<verse number="60">ትእዛዛትካ ንምሕላው ጨከንኩ እምበር፥ ኣይደንጐኹን።</verse>
				<verse number="61">ገመድ ሓጥኣን ተጠምጠመኒ፤ ንሕግኻ ግና ኣይረሳዕኹን።</verse>
				<verse number="62">ስለ እቲ ቅኑዕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፥ ፍርቂ ለይቲ እትስእ።</verse>
				<verse number="63">ኣነ ብፃይ እቶም ኵሎም ዝፈርሑኻን፥ ንትእዛዛትካ ዝሕልዉን እየ።</verse>
				<verse number="64">ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ኵሉ ምድሪ መሊኣ እያ፤ ስርዓታትካ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="65">ኦ ጐይታ፥ ከም ቃልካ፥ ነገልጋሊኻ ሰናይ ገበርካሉ።</verse>
				<verse number="66">ብትእዛዛትካ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ሰናይ ምኽርን ፍልጠትን መሃረኒ።</verse>
				<verse number="67">ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="68">ንስኻ ሰናይ ኢኻሞ፥ ሰናይ ትገብር ኣለኻ፤ ብሕያዋይነትካውን ስርዓትካ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="69">ዓመፅ ትዕቢተኛታት ኣብ ልዕለይ በዝሐ፤ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="70">ልቦም ከም ፀባ ረግአ፤ ኣነ ግና ብሕግኻ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="71">ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።</verse>
				<verse number="72">ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርን ሕጊ ኣፍካ ይሕሸኒ።</verse>
				<verse number="73">ኣእዳውካ ሰርሓኒ ኣመዓራረያኒውን፤ ትእዛዛትካ ኽመሃርስ ምስትውዓል ሃበኒ።</verse>
				<verse number="74">ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥ እቶም ዝፈርሑኻ ንኣይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም።</verse>
				<verse number="75">ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="76">ምሕረትካ ንምፅንናዐይ ትኹን፤ ከምቲ ቓልካውን ንባርያኻ ይኹኖ።</verse>
				<verse number="77">ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፥ ምሕረትካ ይምፅአኒ።</verse>
				<verse number="78">ዕቡያት ብዓመፅ ጠውዮምኒ እዮም እሞ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ብትእዛዝካ እፃወት ኣለኹ።</verse>
				<verse number="79">እቶም ዝፈርሑኻን፥ ምስክርነትካ ዝፈልጡን ናባይ ይመለሱ።</verse>
				<verse number="80">ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥ ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።</verse>
				<verse number="81">ነፍሰይ ምድሓንካ ናፈቐት፤ ብቓልካውን ተኣመንኩ።</verse>
				<verse number="82">“መኣዝ ኢኻ እተፀናንዐኒ?” እናበልኩ ኣዒንተይ ስለ ቓልካ ፈዘዛ፤</verse>
				<verse number="83">ኣብ ልዕሊ ትኪ ኸም ዝተሰቕለ ለቘታ ኾይነ እየሞ፤ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኹን።</verse>
				<verse number="84">ዘመን ባርያኻ ኽንደይ እየን? ኣብ ልዕሊ እቶም ዘሳጕጉኒኸ መኣዝ ክትፈርደለይ ኢኻ?</verse>
				<verse number="85">ሓጢኣተኛታት ፀወታ ነገሩኒ፥ ኦ ጐይታ ኸም ሕግኻ ግና ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="86">ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፤ ብዓመፅ የሳጕጉኒ ኣለዉ እሞ፥ ርድአኒ።</verse>
				<verse number="87">ካብ ምድሪ ኸጥፍኡኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ነይሩ፤ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።</verse>
				<verse number="88">ከም ምሕረትካ ህያው ግበረኒ፤ ኣነውን ናይ ኣፍካ ምስክርነት ክሕሉ እየ።</verse>
				<verse number="89">ኦ ጐይታ፥ ቃልካ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
				<verse number="90">ሓቅነትካውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤ ንምድሪ መስረትካያ፤ ንሳውን ትነብር።</verse>
				<verse number="91">ኵሎም ኣገልገልትኻ እዮምሞ፥ እቲ መዓልቲ ብትእዛዝካ ይነብር።</verse>
				<verse number="92">ሕግኻ መሐጐስየይ እንተ ዘይኸውን፥ ቀደም ብዕብራነይ ምጠፋእኹ ነይረ።</verse>
				<verse number="93">ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፥ ፍርድታትካ ንዘለኣለም ኣይርስዕን።</verse>
				<verse number="94">ኣነ ናትካ እየ፤ ፍርድታትካ ደልየ ኣለኹሞ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="95">ሓጢኣተኛታት ከጥፍኡኒ ይፀናተዉኒ ኣለዉ፤ ኣነ ግና ምስክርነትካ መርመርኩ።</verse>
				<verse number="96">ናይ ኵሉ ስራሕ ፍፃሜ ረአኹ፤ ትእዛዛትካ ግና የመና ሰፊሕ እዩ።</verse>
				<verse number="97">ኦ ጐይታ፥ ንሕግኻ ኽንደይ ፈተኹዎ! ምሉእ መዓልቲ እውን አስተንትኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="98">ትእዛዛትካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፥ ካብ ፀላእተይ ብዝበለፀ ኣለበመኒ።</verse>
				<verse number="99">ምስክርነትካ ስለ ዘስተንትን፥ ካብ ኵሎም ዝመሃሩኒ ዝበለፀ ኣስተውዓልኩ።</verse>
				<verse number="100">ትእዛዛትካ ሓልየ እየሞ፥ ካብ እቶም ሽማግለታት ዝበለፀ መስተውዓሊ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="101">ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ መንገዲ እግረይ ከልከልኩ።</verse>
				<verse number="102">ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻሞ፥ ካብ ፍርድታትካ ኣይረሓቕኩን።</verse>
				<verse number="103">ቃልካ ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ንኣፈይ ካብ መዓርን ካብ ወለላን ዝበለፀ መቀረኒ።</verse>
				<verse number="104">ካብ ትእዛዛትካ ዝተልዓለ ኣስተውዓልኩ፤ ስለዙይ ኵሉ መንገዲ ሓሰት ፀላእኹ።</verse>
				<verse number="105">ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።</verse>
				<verse number="106">ንፍርድታት ፅድቅኻ ክሕሉ መሓልኩ፤ ኣፅናዕኽዎውን።</verse>
				<verse number="107">ኦ ጐይታ፥ የመና ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="108">ኦ ጐይታ፥ እቲ ካብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃል ባህ የብልካ፤ ፍርድኻውን መሃረኒ።</verse>
				<verse number="109">ነፍሰይ ኵልሻዕ ኣብ ኢደይ እያ፤ ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።</verse>
				<verse number="110">ሓጢኣተኛታት መፈንጠር ኣፃወዱለይ፤ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን።</verse>
				<verse number="111">ናይ ልበይ ሓጐስ እዩ እሞ፥ ምስክርነትካ ንዘለኣለም ወረስኩ።</verse>
				<verse number="112">ንዘለኣለም ክሳዕ መወዳእታውን፥ ትእዛዛትካ ኽገብር ንልበይ ኣዘንበልኩ።</verse>
				<verse number="113">ንዓመፅቲ ፀላእኩ፤ ሕግኻ ግና ፈተኹ።</verse>
				<verse number="114">ንስኻ ረዳእየይን መፀግዕየይን ኢኻ፤ ብቓልካውን ተኣማመንኩ።</verse>
				<verse number="115">ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥ ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="116">ብህይወት ክነብርስ፥ ከም ቃልካ ደግፈኒ፤ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።</verse>
				<verse number="117">ርድአኒ፤ ክድሕን ድማ እየ፤ ንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽምርምር እየ።</verse>
				<verse number="118">ድልየቶም ዓመፅ እዩ እሞ፥ ካብ ስርዓታትካ ንዝርሕቑ ዅሎም ኣሕሰርካዮም።</verse>
				<verse number="119">ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ፥ ከም ጐሓፍ ትጕሕፎም፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ፈተኹ።</verse>
				<verse number="120">ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="121">ፍርድን ፅድቅን እገብር ኣለኹ፤ ንዘጨንቑኒ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።</verse>
				<verse number="122">ንባርያኻ ብሰናይ ሓልዎ፤ ዕቡያት ኣይዳፍኡኒ።</verse>
				<verse number="123">ኣዒንተይ ንምድሓንካን ንሓቀኛ ቓልካን ብምፅባይ ፈዘዛ።</verse>
				<verse number="124">ንኣይ ንባርያኻ ኸም ምሕረትካ ግበረለይ፤ ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="125">ኣነ ባርያኻ እየ፤ ምስክርነትካ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ከስተውዕል ግበረኒ።</verse>
				<verse number="126">ንእግዚኣብሄር ጊዜ ስራሕ እዩ፤ ንሕግኻውን ሰዓርዎ።</verse>
				<verse number="127">ስለዙይ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፥ ካብ ፅሩይ ዕንቊ ኣብሊፀ ፈተኹ።</verse>
				<verse number="128">ስለዙይ ናብ ኵሉ ትእዛዝካ ኣምራሕኹ፤ ንዅሉ መንገዲ ዓመፅውን ፀላእኹ።</verse>
				<verse number="129">ምስክራትካ ዘደንቑ እዮም፤ ስለዙይ ነፍሰይ ትደልዮም።</verse>
				<verse number="130">ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።</verse>
				<verse number="131">ንትእዛዝካ ናፊቐ ኣለኹሞ፥ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ሃረርውን በልኩ።</verse>
				<verse number="132">ከምቲ ነቶም ስምካ ዝፈትዉ እትገብሮ ፍርዲ፥ ናባይ ተመልከት፤ መሓረኒውን።</verse>
				<verse number="133">ኣካይዳይ ከምቲ ቓልካ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ሓጢኣትውን ኣይግዝአኒ።</verse>
				<verse number="134">ትእዛዛትካ ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዝገፍዑኒ ሰባት ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="135">ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤ ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።</verse>
				<verse number="136">ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥ ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።</verse>
				<verse number="137">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ፍርድኻውን ቅኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="138">ምስክርነትካ ብፅድቂ ኣዘዝካ፤ የመናውን ቅኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="139">ፀላእተይ ትእዛዝካ ስለ ዝረስዑ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ።</verse>
				<verse number="140">ቃልካ የመና ፅሩይ እዩ፤ ባርያኻውን ይፈትዎ።</verse>
				<verse number="141">ኣነ ንኡስን ንዑቕን እየ፤ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኹን።</verse>
				<verse number="142">ፅድቅኻ ናይ ዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤ ቃልካውን ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="143">መከራን ሽግርን ረኸቡኒ፤ ትእዛዛትካ ግና ሓጐሰይ እዮም።</verse>
				<verse number="144">ምስክርነትካ ንዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤ ከስተውዕል ግበረኒ፤ ብህይወትውን ኣንብረኒ።</verse>
				<verse number="145">ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣለኹሞ ስምዐኒ፤ ስርዓታትካውን ክሕሉ እየ።</verse>
				<verse number="146">ናባኻ ኣእዌኹ፤ ኣድሕነኒ፤ ምስክርነትካውን ክሕሉ እየ።</verse>
				<verse number="147">ኣንጊሐ ኣእዌኹ፤ ንቓልካውን ተስፋ ገይረ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="148">ቃልካ ምእንቲ ኸስተንትን፥ ኣዒንተይ ንምግስጋስ ቐደማ።</verse>
				<verse number="149">ኦ ጐይታ፥ ከም ምሕረትካ ቓለይ ስማዕ፤ ከም ፍርድኻውን ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="150">እቶም ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ቐረቡ፤ ካብ ሕግኻ ኸዓ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="151">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፤ ኵሎም መንገድታትካውን ቅኑዓት እዮም።</verse>
				<verse number="152">ካብ ዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፥ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኻብ ምስክርነትካ ዝተልዓለ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="153">ሕግኻ ኣይረሳዕኹን እሞ፥ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="154">ፍርደይ ፍረድሞ ኣናግፈኒ፤ ስለ ቓልካውን ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="155">ስርዓትካ ኣይደለዩን ኢዮምሞ፥ ድሕነት ካብ ሓጥኣን ርሑቕ እዩ።</verse>
				<verse number="156">ኦ ጐይታ፥ ርህራሄኻ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="157">ዘሳጕጉንን ዘጨነቑንን ብዙሓት እዮም፤ ግና ኻብ ምስክርነትካ ድሕር ኣይበልኩን።</verse>
				<verse number="158">ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፥ ንሰነፋት ሪአ ሓዘንኩ።</verse>
				<verse number="159">ኦ ጐይታ፥ ንትእዛዛትካ ኸም ዝፈትዎ ረአ፤ ኦ ጐይታ፥ ብምሕረትካ ህያው ግበረኒ።</verse>
				<verse number="160">ናይ ቓልካ መጀመርታ ሓቂ እዩ፤ ኵሉ ፍርዲ ፅድቅኻውን ንዘለኣለም እዩ።</verse>
				<verse number="161">ገዛእቲ ብኸንቱ ኣሳጐጕኒ፤ ካብ ቓልካ ዝተልዓለ ግና ልበይ ደንገፀኒ።</verse>
				<verse number="162">ብዙሕ ምርኮ ኸም ዝረኸበ፥ ብቓልካ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="163">ንዓመፃ ፀላእኹ፤ ተፀየፍኩውን፤ ንሕግኻ ግና ኣፍቅሮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="164">ስለ እቲ ፍርዲ ፅድቅኻ፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="165">እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፤ ዘዕንቅፎምውን የለን።</verse>
				<verse number="166">ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ ተስፋ ገበርኩ፤ ንትእዛዛትካ ድማ ሓለኹ።</verse>
				<verse number="167">ነፍሰይ ንምስክርነትካ ትሕሉ ኣላ፤ የመናውን ትፈትዎ ኣላ።</verse>
				<verse number="168">ኵሉ መንገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፥ ትእዛዛትካን ምስክርነትካን እሕሉ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="169">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ናብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤ ከም ቃልካውን ምስትውዓል ሃበኒ።</verse>
				<verse number="170">ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤ ከም ቃልካውን ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="171">ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፥ ከናፍረይ ምስጋና የውፅኣ።</verse>
				<verse number="172">ኵሉ ትእዛዛትካ ፅድቂ እዩ እሞ፥ ኣንደበተይ ቃልካ ተናገረ።</verse>
				<verse number="173">ንትእዛዛትካ መሪፀ ኣለኹሞ፥ ኢድካ ዘድሕነኒ ይኹን።</verse>
				<verse number="174">ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ እናፍቕ ኣለኹ፤ ሕግኻውን ሓጐሰይ እዩ።</verse>
				<verse number="175">ነፍሰይ ትንበረለይ፤ ክተመስግነካውን እያ፤ ፍርድታትካ ድማ ይርድአኒ።</verse>
				<verse number="176">ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="120">
				<verse number="1">ብጊዜ ጭንቀተይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ጐይታ፥ ካብ ሓሳዊ ኸንፈር፥ ካብ መታለሊ መልሓስውን ንነፍሰይ ኣድሕና።</verse>
				<verse number="3">ስለ ጠባሪ መልሓስ እንታይ ይህቡኻ? እንታይከ ይውስኹኻ?</verse>
				<verse number="4">ከም ፍሕሚ ዕንፀይቲ በረኻ፥ ፍላፃታት ሓያላት ዝተስሓሉ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣነ መንበርየይ ዝረሓቐ ወይለይ! ኣብ ድንኳናት ቄዳር ሓደርኩ።</verse>
				<verse number="6">ምስ ሰላም ዝፀልኡ፥ ነፍሰይ ብዙሕ ጊዜ ነበረት።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ሰላማዊ እየ፤ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ ግና ብኸንቱ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="121">
				<verse number="1">ኣዒንተይ ናብ እምባታት ኣልዓልኩ፤ ረድኤተይ ካበይ ይምፃእ?</verse>
				<verse number="2">ረድኤተይስ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="3">ንእግርኻ ንምንዋፅ ኣይህቦን፤ እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ፥ ኣይድቅስን፤ ኣይታኸስንውን።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ፀሓይ ብመዓልቲ ኣየቃፅለካን፤ ብለይቲ እውን ወርሒ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም፥ ምውፃእኻን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="122">
				<verse number="1">“ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ” ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንሆ ኣእጋርና ኣብ ኣደባባያትኪ ቖይመን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሩሳሌምስ ንስንሳታ ኸም እተጋጠመት ከተማ እያ ተሓኒፃ።</verse>
				<verse number="4">ንስም እግዚኣብሄር ከመስግኑ፥ ንእስራኤል ምስክር ክኾኑ፥ ነገዳት እግዚኣብሄር ናብኡ ኽድይቡ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣብኡ ዝፋናት ፍርዲ፥ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተዘርጊሖም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">ንኢየሩሳሌም ሰላም ለምኑ፤ ንዝፈትዉኺውን ልምዓት ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ብሓይልኻ ሰላም፥ ብዝተጋየፀ ቤትካውን ልምዓት ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ስለ ኣሕዋተይን፥ ስለ ብፆተይውን፥ “ኣብ ውሽጥኺ ሰላም ይኹን” እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ስለ ኣምላኽና፥ ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላክና ኢለ፥ ንኣኺ ሰናይኪ እደሊ ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="123">
				<verse number="1">ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።</verse>
				<verse number="3">መሓረና ኦ ጐይታ፥ መሓረና፤ የመና ንዕቐት ፀጊብና ኢናሞ።</verse>
				<verse number="4">ነፍስና ፀርፊ ሃብታማትን፥ ንዕቐት ዕቡያትን የመና ፀጊባ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="124">
				<verse number="1">እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥</verse>
				<verse number="2">ሰባት ኣብ ልዕሌና ኽትስኡ እንተለዉ፥ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥</verse>
				<verse number="3">ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እንትነድድ፥ ብህይወትና እንተለና ምወሓጡና ነይሮም፤</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ማይ መስጠመና ነይሩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስና ውሕጅ ምሓለፈ ነይሩ፤</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ማይ ውሕጅ ብልዕሊ ነፍስና ምሓለፈ ነይሩ።</verse>
				<verse number="6">ንምንካስ ኣስናኖም ዘይገበረና፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
				<verse number="7">ነፍስና ኸም ዒፍ ካብ መፈንጠር ሃዳኖ ኣምለጠት፤ መፈንጠር ተበተኸ፤ ንሕናውን ኣምለጥና።</verse>
				<verse number="8">ረድኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="125">
				<verse number="1">እቶም ብእግዚኣብሄር ዝተኣመኑ፥ እንተይተናወፀ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ከም እምባ ፅዮን እዮም።</verse>
				<verse number="2">እምባታት ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾኑ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ፃድቃን ኢዶም ብዓመፅ ከይዝርግሑ፥ በትሪ ሓጥኣን፥ ኣብ ልዕሊ ዕፃ ፃድቃን ኣይነብርን።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ነቶም ሕያዎትን ነቶም ቅኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="126">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንምርኮ ፅዮን ምስ መለሰ፥ የመና ሕጉሳት ኮንና።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኣፍና ብደስታ፥ ኣንደበትናውን ብታሕጓስ መልአ፤ በቲ ጊዜቱይ ኣብ ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገበረሎም ተብሃለ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገበረልና፤ ንሕናውን ተሓጐስና።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ከምቶም ኣብ ደቡብ ዘለዉ ኣፍላጋት፥ ንምሩኻትና ምለሶም።</verse>
				<verse number="5">እቶም ብንብዓት ዝዘርኡ፥ ብታሕጓስ ይዓፅዱ።</verse>
				<verse number="6">እንትኸዱ ዘርኦም ተሸኪሞም እናበኸዩ ወፈሩ፥ እንትምለሱ ግና እንዳእቶም ተሰኪሞም እናተሓጐሱ ይመፁ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="127">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።</verse>
				<verse number="2">ንግሆ ምግስጋስኩም ከንቱ እዩ፤ ንሱ ንፈተውቱ ድቃስ ምስ ሃበ፥ ኣቱም ናይ መከራ እንጀራ እትበልዑ፥ ካብ ዝተቐመጥኩምዎ ተስኡ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ኢድ ሓያል ከም ዘለዉ ፍላፃታት፥ ውሉዳት ጕብዝና ኸምኡ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ብኣኣቶም ትምኒቱ ዝመልአሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ፤ ንፀላእቶም ኣብ ኣደባባይ እንትናገሩ፥ ንሱ ኣይሓፍርን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="128">
				<verse number="1">ኵሎም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ብመንገዱውን ዝኸዱ ዝተባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ፍረ ፃማኻ ኽትምገብ ኢኻ፤ ምስጉን ኢኻ፤ ሰናይውን ክኾነልካ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ገዛኻ፥ ከም ዝፈሪ ወይኒ እያ፤ ውሉድካ ኣብ ዙርያ ማእድኻ፥ ከም ተኽሊ ኣውሊዕ እዮም።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ፥ ከምዙይ ክባረኽ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን ይባርኽካ፤ ብዅለን መዋእል ህይወትካ ድማ፥ ናይ ኢየሩሳሌም ሰናይ ክትርኢ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="129">
				<verse number="1">እስራኤል፥ “ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ” ይበል።</verse>
				<verse number="2">ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ፤ ግና ኣይሰዓሩንን።</verse>
				<verse number="3">ሓጢኣተኛታት ዝባነይ ወቕዑኒ፤ ንሓጢኣቶም ከዓ ኣናውሕዋ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ክሳድ ሓጢኣተኛታት ቈረፀ።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ንፅዮን ዝፀልኡ ይሕፈሩ፤ ንድሕሪትውን ይመለሱ።</verse>
				<verse number="6">ንዝዓፅዶ ዕትሩ፥ ንዝእክቦ ሕቝፉ ኸም ዘይመልእ ይኹኑ፤ እንተይዓፀድዎ ኸም ዝነቅፅ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ ኸም ዝበቝል ሳዕሪ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ሓለፍቲ መንገዲ ድማ፥ “በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፤ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣለና” ኣይብሉን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="130">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ካብ ማዕሙቝ ፀዋዕኩኻ።</verse>
				<verse number="2">ኦ ጐይታ፥ ድምፀይ ስማዕ፤ እዝንኻውን ቃል ልመናይ ዘዳምፅ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ሓጢኣት እንተ እትቈፃፀርስ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ክቐውም ይኽእል?</verse>
				<verse number="4">ይቕረታ ብኣኻ እዩሞ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ተስፋ ገበርኩ፤ ነፍሰይ ብሕግኻ ተዓገሰት።</verse>
				<verse number="6">ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ለይቲ፥ ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ተኣመነት።</verse>
				<verse number="7">ምሕረት ካብ እግዚኣብሄር፥ ብዙሕ ምድሓንውን ካብኡ እዩሞ፤ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ይተኣመን።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣት ከድሕኖ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="131">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ልበይ ኣይተዓበየኒ፤ ኣዒንተይውን ልዕል ልዕል ኣይበላኒ። ምስ ዓበይቲ፥ ካባይ ዝበለፀ ምስ ዝኸበሩ ኣይከድኩን።</verse>
				<verse number="2">ንነፍሰይ ኣዕረፍክዋ፤ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ህፃን ስቕ ኣበልክዋ፤ ነፍሰይ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ኣብ ውሽጠይ እያ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ይተኣመን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="132">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንዳዊትን ንዅሉ የዋህነቱን ዘክር።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሓለ፥ ንኣምላኽ ያእቆብውን ከም ዝተመባፅዐ፥</verse>
				<verse number="3">ብሓቂ ናብ ድንኳን ገዛይ ኣይኣቱን እየ፤ ናብ ምንፃፍ ዓራተይውን ኣይድይብን፤</verse>
				<verse number="4">ነዒንተይ ድቃስ፥ ንቐራንብተይ ትኻስ፥ ንመላትሐይ ዕረፍቲ ኣይህብን፤ ንእግዚኣብሄር ስፍራ፥ ንኣምላኽ ያእቆብ መሕደሪ ኽሳዕ ዝረክብ ኢሉ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፤ ኣብ ውሽጢ በረኻ ኸዓ ረኸብናዮ።</verse>
				<verse number="7">ናብ መሕደሪኡ ኽንኣቱ ኢና፤ ኣብ መርገፂ እግሩውን ክንሰግድ ኢና።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ንስኻን ታቦት መቕደስካን፥ ናብ ዕረፍትኻ ተስእ።</verse>
				<verse number="9">ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።</verse>
				<verse number="10">ስለ ኣገልጋሊኻ ስለ ዳዊት፥ ካብቲ ዝቐባእኻዮ ገፅካ ኣይትመልስ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንዳዊት ብሓቂ መሓለ፤ ኣይናሳሕንውን፤ ከምዙይ ኢሉ፦ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዙፋንካ ኸቐምጥ እየ፤</verse>
				<verse number="12">ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክርነተይን እንተ ሓሊዮም፥ ደቆም ኣብ ዙፋንካ ንዘለኣለም ክቕመጡ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንፅዮን ሓርዩዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ኽትከውን ድማ ፈትዩዋ እዩሞ፥ ከምዙይ ኢሉ፦</verse>
				<verse number="14">እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፤ መሪፀያ እየሞ፥ ኣብኣ ኽሓድር እየ።</verse>
				<verse number="15">ንኣረግቶታውን ኣፀቢቐ ኽባርኸን እየ፤ ንድኻታታ ድማ እንጀራ ኸፅግቦም እየ።</verse>
				<verse number="16">ንኻህናታ ድሕነት ከልብሶም እየ፤ ቅዱሳና ኸዓ የመና ኽሕጐሱ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ኣብኡ ንዳዊት ቀርኒ ኸብቍል እየ፤ ነቲ ዝቐባእኹዎውን መብራህቲ ኸዳሉ እየ።</verse>
				<verse number="18">ንፀላእቱ ሕፍረት ከልብሶም እየ፤ ብእኡ ግና ቕድስናይ ኽዕምብብ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="133">
				<verse number="1">እንሆ፥ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም እንትነብሩ፥ ከመይ ሰናይ እዩ! ኸመይከ ፅቡቕ እዩ!</verse>
				<verse number="2">ካብ ርእሲ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኸም ዝፈስስ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኣሮን፥ ክሳዕ መደረብያ ኽዳኑውን ከም ዝወርድ ሽቱ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፅዮን ዝወርድ ኣውሊ ኣርሞንኤም እዩ። እግዚኣብሄር ኣብኡ በረኸቱን ህይወትን፥ ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="134">
				<verse number="1">ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆይምኩም እተገልግሉ፥ ኵልኻትኩም ባሮት እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር ባርኹ።</verse>
				<verse number="2">ብለይቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደሱ ኣእዳውኩም ኣልዒልኩም፥ ንእግዚኣብሄር ባርኹ።</verse>
				<verse number="3">ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር፥ ካብ ፅዮን ይባርኽካ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="135">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዓፀድ ቤት ኣምላኽና እትቖሙ፥</verse>
				<verse number="3">ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ሰናይ እዩ እሞ ንስሙ ዘምሩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ጐይታና ኸዓ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝበልፅ ፈሊጠ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን ኣብ መዓሙቝን ዝደለዮ ዅሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ግብፂ ኻብ በዅሪ ሰብ፥ ክሳዕ በኵሪ እንስሳ ቐተለ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቱን፥ ተኣምራትን ድንቅን ሰደደ።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት ኣህዛብ ኣጥፍአ፤ ንብርቱዓት ነገስታትውን ቀተለ።</verse>
				<verse number="11">ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኣግ ንጉስ ባሳንን፥ ንዅሎም ነገስታት ከነዓንን ቀተለ።</verse>
				<verse number="12">ንምድሮም ርስቲ ገይሩ፥ ንህዝቡ እስራኤል ርስቲ ሃበ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታይ፥ ስምካ ንዘለኣለም እዩ፤ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርደሎም እዩ እሞ፤ ንኣገልገልቱ ድማ ኽረድኦም እዩሞ።</verse>
				<verse number="15">ጣዖታት ኣህዛብ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ፥ ስራሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።</verse>
				<verse number="16">ኣፍ ኣለዎም፥ ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፥ ኣይሪኡን፤</verse>
				<verse number="17">እዝኒ ኣለዎም፥ ኣይሰምዑን፤ ኣብ ኣፎም ድማ እስትንፋስ የለን።</verse>
				<verse number="18">እቶም ዝሰርሕዎምን፥ ኵሎም ኣብኣቶም ዝዕቘቡን ከምኣቶም ይኹኑ።</verse>
				<verse number="19">ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ቤት ኣሮን፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።</verse>
				<verse number="20">ኣቱም ቤት ሌዊ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሓድር እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን ይባረኽ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="136">
				<verse number="1">ሕያዋይ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="3">ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ በይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘፅንዓ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ በይኑ ዓበይቲ ብርሃናት ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="8">ንፀሓይ ብመዓልቲ ኽትስልጥን ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="9">ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኽስልጥኑ ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="10">ንግብፂ ምስ በዅሮም ዝወቕዖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ንእስራኤል ካብ ማእኸሎም ዘውፅኦም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ብፅንዕቲ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልፅምን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="13">ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐላ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="14">ንእስራኤልውን ብማእኸላ ዘሕለፎም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="15">ንፈርዖንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዘስጠመ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="16">ንህዝቡ ብምድረ በዳ ዝመርሖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዐ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="18">ንሓያላት ነገስታት ዝቐተለ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="19">ንሴዎን፥ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="20">ንኣግ፥ ንጉስ ባሳን፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="21">ንምድሮም ርስቲ ገይሩ ዝሃበ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="22">ርስቲ ባርያኡ እስራኤል፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ጊዜ ውርደትና ዝዘከረና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24">ካብ ኢድ ፀላእትና ዘናገፈና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="25">ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ምግቢ ዝህብ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="26">ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="137">
				<verse number="1">ኣብ ጥቓ ሩባታት ባቢሎን ተቐመጥና፤ ንፅዮን ምስ ዘከርናያ ኸዓ በኸና።</verse>
				<verse number="2">መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ ኣእዋም ኲሓታት ሰቐልና፤</verse>
				<verse number="3">እቶም ዝማረኹና ኣብኡ ብዛዕባ መዝሙር ጠየቑና፤ እቶም ዝወሰዱና ኸዓ፥ “ካብ መዝሙር ፅዮን ዘምሩልና” በሉና።</verse>
				<verse number="4">ናይ እግዚኣብሄር መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ጓና ኸመይ ኢልና ኽንዝምር!</verse>
				<verse number="5">ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንተ ረሲዐክስ፥ የማነይ ትረስዐኒ፤</verse>
				<verse number="6">እንተ ዘይዘኪረኪ፥ ሕልፊ ዅሉ ሓጐሰይ፥ ንኢየሩሳሌም እንተዘይፈትየ፥ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም “ኣፍርስዋ፤ ካብ መሰረታ ኣፍርስዋ” ዝብሉ ደቂ ኤዶም ዘክሮም።</verse>
				<verse number="8">ኣቲ ሕስርቲ ጓል ባቢሎን፥ ሕነ እቲ ዝተበቀልክና ዝብቀለኪ፥ ብሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንህፃናትኪውን ሒዙ ኣብ ኰዅሒ ፃሕ ዘብሎም ብሩክ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="138">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ንዅሉ ቓል ኣፈይ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እዝምረልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ንቕዱስ ስምካ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ልዕል ኣቢልካዮ ኢኻሞ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኽሰግድ እየ፤ ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ንስምካ ኸመስግን እየ።</verse>
				<verse number="3">በታ ዝፀዋዕኩኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ፤ ንነፍሰይውን ብሓይልኻ ብብዙሕ ኣፅናዕኻያ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ቃል ኣፍካ ሰሚዖም እዮምሞ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸመስግኑኻ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፥ ብመንገዲ እግዚኣብሄር ክዝምሩ እዮም።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ልዑል እዩሞ፥ ነቶም ትሑታን ይምልከቶም እዩሞ፥ ንትዕቢተኛታትውን ካብ ርሑቕ ይፈልጦም።</verse>
				<verse number="7">ብማእኸል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፤ ኣብ ልዕሊ ቝጥዓ ፀላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፤ የማነይቲ ኢድካውን ክተድሕነኒ እያ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ክፈድየለይ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካውን ንዘለኣለም እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንተግባር ኣእዳውካውን ሸለል ኣይትበል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="139">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መርመርካኒ፤ ፈለጥካኒውን።</verse>
				<verse number="2">ንስኻ ምቕማጠይን ምትስአይን ትፈልጥ፤ ንዅሉ ሓሳብ ልበይውን ገና ኻብ ርሑቕ ትፈልጦ።</verse>
				<verse number="3">ኣሰረይን ዕረፍተይን ንስኻ መርመርካ፤ ንዅሉ መንገደይውን ኣቐዲምካ ፈለጥካዮ።</verse>
				<verse number="4">ቃል ዓመፅ ኣብ ኣንደበተይ ከም ዘየለ ፈለጥካዮ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ እንሆ ናይ ቀዳማይን ናይ ዳሕረዋይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ንስኻ ፈጠርካኒ፤ ኢድካውን ኣብ ልዕለይ ኣንበርካ።</verse>
				<verse number="6">ፍልጠትካ ኻባይ ብዝበለፀ ተደነቐት፤ በርትዐት፥ ናብኣ ኽበፅሕውን ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="7">ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ እየ? ካብ ገፅካኸ ናበይ ክሃድም እየ?</verse>
				<verse number="8">ንሰማይ እንተ ደየብኩ፥ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፤ ኣብ ሲኦል እንተ ወረድኩውን፥ ኣብኡ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="9">ከም ንስሪ ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፥ ክሳዕ መወዳእታ ባሕሪ እውን እንተ በረርኩ፥</verse>
				<verse number="10">ኣብኡውን ኢድካ ኽትመርሐኒ፥ የማንካውን ክትሕዘኒ እያ።</verse>
				<verse number="11">ብርግፅ ፀልማት ክትሽፍነኒ እያ እንተ በልኩ፥ ለይቲ ኣብ ዙርያይ ብርሃን ትኸውን።</verse>
				<verse number="12">ፀልማት ኣባኻ ኣይፅልምትን እዩሞ፥ ለይቲ እውን ከም መዓልቲ ተብርህ እያሞ፥ ከም መጠን ፀልማታ ብርሃና ኸምኡ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኦ ጐይታ፥ ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጠርካ፤ ኣብ ማህፀን ወላዲተይውን ንስኻ ሰወርካኒ።</verse>
				<verse number="14">ግሩምን ዘደንቕን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፥ ከመስግነካ እየ፤ ስራሕኻ ዘደንቕ እዩ፤ ነፍሰይውን ነዙይ ብሓቂ ትፈልጦ እያ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ብስውር እንትስራሕ፥ ኣካለይውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ እንትስራሕ፥ ኣዕፅምተይ ካባኻ ኣይተሰወሩን።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ገና ዘይተሰርሐ ኣካለይ፥ ኣዒንትኻ ረአያ፤ እቶም ዝተፈጠሩ መዓልትታተይ ሓደኳ እንተይነበረ፥ ኣብ መፅሓፍካ ተፅሓፉ</verse>
				<verse number="17">ኦ ኣምላኽ፥ ሓሳባትካ ንኣይ ከመይ የመና ኽቡር እዩ! ቍፅሮምከ ክንደይ ብዙሕ እዩ!</verse>
				<verse number="18">እንተ ቘፀርክዎም ኻብ ሑፃ የመና ይበዝሑ፤ ተሳእኹውን፥ ኣነ ገና ምሳኻ እየ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ነቶም ሓጥኣን ትቐትሎም እንተ ደኣ ዄንካ፥ ኣቱም ናይ ደም ሰባት፥ ካባይ ረሓቑ!</verse>
				<verse number="20">ንሳቶም ብተንኰል ይዛረቡልካ እዮም፤ ፀላእትኻውን ብኸንቱ ይዕምፁኻ።</verse>
				<verse number="21">ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝፀልኡኻዶ ኣይፀላእኹዎምን? ስለ ፀላእትኻኸ ኣይተሰቀቕኩንዶ?</verse>
				<verse number="22">ፍፁም ፅልኢ ፀላእኽዎም፤ ፀላእትውን ኮኑኒ።</verse>
				<verse number="23">ኦ ጐይታ፥ መርምረኒ፤ ንልበይውን ፍለጥ፤ ፈትነኒ፤ መንገደይውን ፍለጥ፤</verse>
				<verse number="24">በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="140">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ካብ ክፉእ ሰብ ኣድሕነኒ፤ ካብ ዓማፂ ሰብውን ሓልወኒ።</verse>
				<verse number="2">ንሳቶም ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ንውግእ ይእከቡ።</verse>
				<verse number="3">መልሓሶም ከም ተመን ኣብልሑ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ጐይታ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን ሓልወኒ፤ ካብቶም ኣካይዳይ ከሰናኽሉ ዝመኸሩ ዓመፅቲ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="5">ዕቡያት መፈንጠር ሓብኡለይ፤ ነእጋረይውን ናይ መፈንጠር ገመድ ዘርግሑ፤ ኣብ መንገደይውን ዕንቅፋት ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ንድምፂ ምህለላይ ፅን በሎ” በልክዎ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ካብ ድልየተይ ዝተልዓለ፥ ንሓጢኣተኛታት ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተማኺሮም ኣለዉሞ፥ ከይዘሃሩስ ኣይትሕደገኒ።</verse>
				<verse number="9">ንርእሲ እቶም ዝኸበቡኒ፥ ክፍኣት ከናፍሮም ይድፈኖም።</verse>
				<verse number="10">ጓህሪ ሓዊ ኣብ ልዕሊኣቶም ይውደቕ፤ ከይለዓሉውን ናብ ሓዊን፥ ናብ ማዕበልን ይደርበዩ።</verse>
				<verse number="11">ክፉእ ተናጋሪ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ፀኒዑ ኣይነብርን፤ ንዓመፀኛ ሰብውን ክፍኣት ክተጥፍኦ ትደልዮ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ንድኻታት ፍርዲ፥ ንምስኪናት ፍትሒ ኸም ዝገብር ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="13">ግና ፃድቃን ንስምካ ኸመስግኑ እዮም፤ ቅኑዓትውን ኣብ ቅድሚ ገፅካ ኽነብሩ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="141">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ስምዐኒ፤ ናባኻ ከእዊ እንተለኹውን ቓል ልመናይ ኣድምፅ።</verse>
				<verse number="2">ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ንኣፈይ ሓላዊ ግበር፤ ማዕፆ ኸናፍረይውን ሓሉ።</verse>
				<verse number="4">ዓመፅ ምስ ዝገብሩ ሰባት ንሓጢኣት ምኽንያት ከይህብ፥ ምስቶም ሕሩያቶምውን ከይተሓባበር፥ ንልበይ ናብ ክፉእ ነገር ኣይትመልሶ።</verse>
				<verse number="5">ፃድቕ ብምሕረት ይገስፀኒ፤ ይዝለፈኒውን፤ ዘይቲ ሓጢኣተኛ ግና ንርእሰይ ኣይቕባእ፤ ፀሎተይ ገና ኣብ ልዕሊ ኽፍኣቶም እዩሞ።</verse>
				<verse number="6">ሓያላታቶም ኣብ ጥቓ ኰዅሒ ተደርበዩ፤ ጥዕምቲ እያሞ ቓለይ ክሰምዑ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝተሰንጠቐ ድንኩል፥ ኣዕፅምትና ኸምኡ ኣብ መቓብር ተበተኑ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ እየንሞ፥ ብኣኻ ኣዕቚበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ኣይተውፅኣያ።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ ዘፃወዱለይ መፃወድያን፥ ካብ ዕንቅፋት ገበርቲ ዓመፅን ሓልወኒ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ በይነይ ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ሓጥኣን ኣብ መፃወድያኦም ይውደቑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="142">
				<verse number="1">ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ።</verse>
				<verse number="2">ልመናይውን ኣብ ቅድሚኡ አፍስስ ኣለኹ፤ መከራይውን ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ መንመነት፥ ንስኻ መንገደይ ትፈልጥ፤ ኣብታ ዝኸደላ መንገዲ፥ መፈንጠር ሓብኡለይ።</verse>
				<verse number="4">ናብ የማነይ ተመልከትኩ፤ ረአኹውን፤ ዝፈልጠኒውን ሰኣንኩ፤ መሕብኢውን የብለይን፤ ስለ ነፍሰይውን ዝመራመር የለን።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።</verse>
				<verse number="6">ብዙሕ ተሸጊረ እየሞ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ሓይሎምኒ እዮም እሞ ኻብቶም ዘሳጕጉኒ ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ንስምካ ኸመስግንስ፥ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ፤ ዋጋይ ክሳዕ እትህበኒ፥ ፃድቃን ንኣይ ይፅበዩ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="143">
				<verse number="1">ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ብሓቂኻ ንልመናይ ፅን በሎ፤ ብፅድቅኻውን መልሰለይ።</verse>
				<verse number="2">ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="3">ፀላኢ ንነፍሰይ ኣሳጐጓ፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ኣዋረዳ፤ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ፀልማት የንብረኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ደኸመት፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀት።</verse>
				<verse number="5">ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ኵሉ ተግባርካ ኣስተንተንኩ፤ ግብሪ ኣእዳውካውን ተመልከትኩ።</verse>
				<verse number="6">ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጋሕኹ፤ ነፍሰይውን ከም ንቕፅቲ ምድሪ ፀምአትካ።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።</verse>
				<verse number="8">ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ጐይታ፥ ኣባኻ እምሕፀን ኣለኹሞ፥ ካብ ፀላእተይ ኣናግፈኒ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መሃረኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን፥ ብምድሪ ፅድቂ ይምርሐኒ።</verse>
				<verse number="11">ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ህያው ግበረኒ፤ ብፅድቅኻውን ንነፍሰይ ካብ መከራ ኣውፅኣያ።</verse>
				<verse number="12">ብምሕረትካ ንፀላእተይ ደምስሶም፤ ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፥ ንዅሎም እቶም ንነፍሰይ ዘጨንቑዋ ኣጥፍኣዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="144">
				<verse number="1">ነእዳወይ ውግእ፥ ነፃብዕተይ ሰልፊ ዝመሃረን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይባረኽ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ መሓሪየይን መዕቘብየይን ዕርደይን፥ መድሓኒየይን፤ ረድኤተይን መተኣማመንየይን፥ ንህዝበይውን ኣብ ትሕተይ ዘግዝአለይ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኽትፈልጦ ሰብ እንታይ እዩ? ንስኻ ኽትዝክሮኸ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ሰብ ከንቱ ይመስል፤ መዓልትታቱ፥ ድማ ኸም ፅላሎት ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="5">ኦ ጐይታ፥ ንሰማያትካ ትሕት ትሕት ኣብሎም፤ ውረድውን፤ ንእምባታትውን ዳህስሶም፤ ክትክዩ እዮም።</verse>
				<verse number="6">መባርቕትካ ብልጭ ኣብል፤ በትኖምውን፤ ፍላፃታትካ ወርውር፤ ሃውኮምውን።</verse>
				<verse number="7">ኢድካ ኻብ ኣርያም ለኣኽ፤ ካብ ብዙሕ ማይ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓናውን ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="8">ኣንደበቶም ከንቱ ነገር ካብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ ኣድሕነኒ።</verse>
				<verse number="9">ኦ ኣምላኽ፥ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ኽዝምረልካ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንነገስታት መድሓኒት ዝህቦም፥ ንዳዊት ባርያኡ ኻብ ክፉእ ዂናት ዘድሓኖ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣንደበቶም ከንቱ ኻብ ዝናገር፥ የማኖምውን የማን ዓመፅ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ኢድ ደቂ ጓኖት ኣናግፈኒ፤ ኣድሕነኒውን፤</verse>
				<verse number="12">ደቆም ብጕብዝናኣቶም ከም ሓድሽ ኣታኽልቲ ዝኾኑ፥ ኣዋልድ ደቆምውን ከም ሕልፍኚ ዘጌፃን ዝተሸለማን ዝኾና፥</verse>
				<verse number="13">ኣባይቶምውን ዝመልኡ፥ በብዓይነቱ እኽሊ ዝህቡ፥ ኣባጊዖምውን ብዙሓት ዝወልዳ፥ ኣብ መውፈሪአንውን ዝበዝሓ፥</verse>
				<verse number="14">ኣብዑሮም የመና ዝሰብሑ፥ ንቕፅራቶምውን መፍረስን መውፅእን ዘይብሉ፥ ኣብ ኣደባባያቶምውን ኣውያት ዘየለ፥</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ዝበለ ህዝቢ ብሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ህዝቢ ብሩኽ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="145">
				<verse number="1">ኦ ኣምላኸይን፥ ንጉሰይን፥ ልዕል ልዕል አብለካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ።</verse>
				<verse number="2">ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ እየ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩ፤ ንዕቤቱ ወሰን የብሉን።</verse>
				<verse number="4">ውሉድ ወለዶ ንግብርታትካ ኽንእዱ እዮም፤ ሓይልኻውን ከውርዩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንኽቡር ግርማ ቅድስናኻ ኽናገሩ እዮም፤ ተኣምራትካውን ክነጋገሩ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ግርማ ሓይልኻውን ክናገሩ እዮም፤ ልዕልናኻውን ክነጋገሩ እዮም፤ ብርታዐኻውን ክነጋገሩ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ብዝሒ ሕያዋይነትካ ብሓጐስ ከውፅኡ፥ ብፅድቅኻውን ሓሴት ክገብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ስራሕኻ የመስግነካ፤ ቅዱሳንካውን ይባርኹኻ።</verse>
				<verse number="11">ክብሪ መንግስትኻ ይነጋገሩ፤ ሓይልኻውን ይናገሩ።</verse>
				<verse number="12">ሓይልኻን ክብሪ መንግስትኻን፥ ንደቂ ሰባት ምእንቲ ኸፍልጡ እዩ።</verse>
				<verse number="13">መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፤ ግዝኣትካውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ብዅሉ ቓሉ እሙን እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ፃድቕ እዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ዅሎም ይድግፎም፤ ነቶም ዝወደቑ ድማ የልዕሎም።</verse>
				<verse number="15">ናይ ኵሉ ዓይኒ፥ ንኣኻ ተስፋ ይገብር፤ ንስኻውን ብእዋኑ ምግቦም ትህቦም።</verse>
				<verse number="16">ኢድካ ትዝርግሕ እሞ፥ ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ብሰናይ ተፅግቦ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ብዅሉ መንገዱ ፃድቕ እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ሕያዋይ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ንዅሎም ዝፈትውዎ ይሕልዎም፤ ንዅሎም ሓጥኣን ግና የጥፍኦም።</verse>
				<verse number="21">ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="146">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ!</verse>
				<verse number="2">ብህይወተይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ፤ ብዘለኹዎ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።</verse>
				<verse number="3">ምድሓን ብዘይኽእሉ በሕሉቕን፥ ብደቂ ሰባትን ኣይትተኣመኑ።</verse>
				<verse number="4">ነፍሱ ትወፅእ፤ ናብ መሬቱውን ይምለስ፤ ሽዑ ዅሉ ምኽሩ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="5">ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ንሰማይን ምድርን፥ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ እዩ፤ ንሓቂውን ንዘለኣለም ዝሕልዋ፥</verse>
				<verse number="7">ንዝተበደሉ ዝፈርደሎም፥ ንጥሙያት ምግቢ ዝህቦም ንሱ እዩ። እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም፤</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ንዝወደቑ የልዕሎም፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ጥበበኛታት ይገብሮም፤ እግዚኣብሄር ንፃድቃን ይፈትዎም፤</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ንስደተኛታት ይሕልዎም፤ ንደኽታምን መበለትን ይቕበሎም፤ ንመንገዲ ሓጥኣን ግና የጥፍኦ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፤ ኦ ፅዮን፥ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="147">
				<verse number="1">ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ መዝሙር ሰናይ እዩሞ፤ ንኣምላኽና ብመዝሙር ምምስጋንውን ፅቡቕ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሃንፃ እዩ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኽእክቦም እዩ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።</verse>
				<verse number="4">ንብሙሉኦም ከዋኽብቲ ይቘፅሮም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ይፅውዖም።</verse>
				<verse number="5">ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ንየዋሃን ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ኽሳዕ ምድሪ የዋርዶም።</verse>
				<verse number="7">ንእግዚኣብሄር ብምስጋና ዘምሩ፤ ንኣምላኽናውን ብመሰንቆ ዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="8">ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።</verse>
				<verse number="9">ነቶም ዝፅውዕዎ ጫቚታት ኳዃት፥ ንእንስሳትውን ምግቦም ይህቦም።</verse>
				<verse number="10">ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፤ በእጋር ሰብውን ኣይሕጐስን።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርሕዎን፥ በቶም ብምሕረቱ ዝእመኑን ይሕጐስ።</verse>
				<verse number="12">ኦ ኢየሩሳሌም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፤ ኦ ፅዮን፥ ንኣምላኽኪ ወድሲ።</verse>
				<verse number="13">መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።</verse>
				<verse number="15">ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፤ ቃሉውን ቀልጢፉ ይጐዪ።</verse>
				<verse number="16">ንበረድ ከም ፀምሪ ይህብ፤ ንግመ ኸዓ ኸም ሓመድ ይብትኖ።</verse>
				<verse number="17">ንበረድውን ከም ርፍራፍ የውርድ፤ ንቝሩኸ መን ክቃወሞ ይኽእል?</verse>
				<verse number="18">ቃሉ ይልእኽ እሞ፥ የምክኾ፤ ንፋስ የንፍስ እሞ፥ ማያት የውሕጅ።</verse>
				<verse number="19">ቃሉ ንያእቆብ፥ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ድማ ንእስራኤል ይነግር።</verse>
				<verse number="20">ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="148">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፤ ብኣርያም ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ኵልኹም መላእኽቱ፥ ኣመስግንዎ፤ ኵልኹም ሰራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="3">ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፤ ኵልኹም ከዋኽብትን ብርሃናትን ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="4">ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኢሉ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱውን ኣዚዙ እዩሞ ተፈጠሩ፤ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።</verse>
				<verse number="6">ንዘለኣለመ ኣለምውን ኣቖሞም፤ ትእዛዝ ሃቦም፤ ኣይሓልፉንውን።</verse>
				<verse number="7">ኵልኻትኩም ገበላት መዓሙቝ ማያት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="8">ሓዊን በረድን ኣስሓይታን ሑመድያን ንቓሉ ዝእዘዝ ንፋስ ኣውሎን፥</verse>
				<verse number="9">ኵልኻትኩም እምባታትን ኰረብታታትን፥ ኵሉ ዘፍሪ ኦምን ዝግባን፥</verse>
				<verse number="10">ኣራዊትን ኵልኻትኩም እንስሳን፥ ለመም እትብሉን፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥</verse>
				<verse number="11">ነገስታት ምድርን፥ ኵልኻትኩም ህዝብታትን፥ ኣሕሉቕን፥ ኵልኻትኩም ገዛእቲ ምድርን፥</verse>
				<verse number="12">ኣጓብዝን ደናግልን፥ ዓበይትን ህፃናትን፥</verse>
				<verse number="13">ንስም እግዚኣብሄር የመስግኑ፤ ስሙ ንበይኑ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ምስጋናኡውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ቀርኒ ህዝቡ ልዕል ልዕል ከብል እዩ፤ ምስጋና ዅሎም ቅዱሳኑውን፥ እቶም ናብኡ ዝቐረቡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል፥ ልዕል ልዕል ከብል እዩ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="149">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="2">እስራኤል፥ ብፈጣሪኡ ይተሓጐስ፤ ደቂ ፅዮንውን፥ ብንጉሶም ይተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="3">ንስሙውን ብስዕስዒት የመስግኑ፤ ብኸበሮን ብመሰንቆን ይዘምሩሉ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።</verse>
				<verse number="5">ቅዱሳን ብኽብሩ ይምክሑ፤ ኣብ መደቀሲኦምውን ሓሴት ይገብሩ።</verse>
				<verse number="6">ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም ይኹን፤ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ኣብ ኣእዳዎም እዩ፤</verse>
				<verse number="7">ንኣህዛብ ምእንቲ ሕነ ኽፈድዩ፥ ኣብ ማእኸል ሰባትውን ክቐፅዑ፥</verse>
				<verse number="8">ንነገስታቶም ብሰንሰለት፥ ንመራሕቶም ከዓ ብመቝሕ ሓፂን ክኣስሩ፥</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተፅሓፈ ፍርዲውን ምእንቲ ኽፍፅሙ እዩ፤ ንዅሎም ቅዱሳኑ እዚኣ ኽብሪ እያ። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="150">
				<verse number="1">ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ኣብ መቕደሱ ኣመስግንዎ፤ ብፅንዓት ሓይሉ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="2">ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ፤ ከም ብዝሒ ዕብየቱ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="3">ብድምፂ መለኸት ኣመስግንዎ፤ ብበገናን ብመሰንቆን ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="4">ብኸበሮን ብስዕስዒትን ኣመስግንዎ፤ ብኣውታርን ብእምብልታን ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="5">ድምፁ ሰናይ ብዝኾነ ፀናፅል ኣመስግንዎ፤ ብፀናፅልን ብዕልልታን ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="6">ኵሉ እስትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር የመስግን። ሃሌ ሉያ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="20">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ምስላታት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፦</verse>
				<verse number="2">ጥበብን ምኽርን ንምፍላጥ፥ ናይ ፍልጠት ቃላት ንምስትውዓል፥</verse>
				<verse number="3">ዘለብም ምዕዳንን ሓቅን፥ ፍትሕን ቅንዕናን ንምቕባል፥</verse>
				<verse number="4">ንገርህታት ጥበብ ዝህብ፥ ንመንእሰያት ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ዝህብ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ጠቢብ ነዚኣተን ብምስማዕ፥ ፍልጠት ይውስኽ፤ ለባም ከዓ ፅቡቕ ምኽሪ የጥሪ።</verse>
				<verse number="6">በዙይ ከዓ ንሳቶም ንምስላን፥ ትርጉምን፥ ንዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን፥ ከስተውዕልዎ ይኽእሉ።</verse>
				<verse number="7">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናይ ጥበብ መጀመርታ እዩ፤ ሰነፋት ግና ንጥበብን ንተግሳፅን ይንዕቕዎ።</verse>
				<verse number="8">ወደይ፥ ንምዕዳን ኣቦኻ ስምዓዮ፤ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ንርእስኻ ኣኽሊል፥ ንኽሳድካ ኸዓ ድሪ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ወደይ፥ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፥ ሕራይ ኣይትበሎም።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም፦ “ምሳና ነዓ፤ ኣድቢና ደም ነፍስስ፤ ንንፁህውን ብዘይ ምኽንያት፥ መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥</verse>
				<verse number="12">“ናብ ጕድጓድ ከም ዝወርዱውን፥ ብህይወቶም እንተለዉ፥ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም፤</verse>
				<verse number="13">“ክቡር ዝኾነ ዅሉ ኽንረክብ፥ ነአባይትና ኸዓ በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና፥</verse>
				<verse number="14">“ነዓ፥ ዕፃኻ ምሳና ኣውድቕ፤ ናይ ኵልና ኸረጢት፥ ሓደ ይኹን እንተ በሉኻ”</verse>
				<verse number="15">ወደይ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ መንገዲ ኣይትኺድ፤ ካብኣቶም ረሓቕ፤</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ክፉእ ንምግባር ይጐዩ፤ ኣእጋሮም ከዓ ደም ንምፍሳስ፥ ቅልጡፋት እየን።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ኣዕዋፍ፥ መፈንጠር ብኸንቱ ኣይፃወድን እዩሞ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ደሞም የድብዩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍሶምውን የሻርዉ።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ መንገዲ ህሩፍ ከምዙይ እዩ፤ ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ።</verse>
				<verse number="20">ጥበብ ኣብ ጐደናታት ትፅውዕ፤ ኣብ ኣደባባያት ድምፃ ዓው ኣቢላ ተስምዕ።</verse>
				<verse number="21">ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ጐደና ትፃዋዕ፤ ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ ቓላ ተስምዕ፤</verse>
				<verse number="22">“ኣቱም ዓያሹ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ዕሽነት እትፈትዉ? መላገፅቲኸ ክሳዕ መኣዝ እዩ ላግፂ? ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?”</verse>
				<verse number="23">ናብ ተግሳፀይ ተመለሱ፤ እንሆ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም፥ ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።</verse>
				<verse number="24">ክፅውዐኩም እንተለኹ እምቢ ስለ ዝበልኩም፥ ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየለ፥</verse>
				<verse number="25">ንዅሉ ምኽረይ ሸለል ስለ ዝበልኩም፥ ንተግሳፀይ ኣይተቐበልኩምዎን።</verse>
				<verse number="26">ኣነውን፥ እቲ እትፈርሕዎ ኽመፅእ እንተሎ፥ እቲ እትፈርሕዎ ኸም ኣውሎ ንፋስ ክመፅእ፥ መከራ ኸም መሸምቦባ ኾይኑ ኽበፅሐኩም፥ ፀበባን ጭንቀትን ክወርደኩም እንተሎ፥ ብመከራኹም ክስሕቕን ከባጭወልኩምን እየ።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ሽዑ ናባይ ክትምህለሉ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኣይምልሰልኩምን እየ፤ ኣንጊህኹም ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፥</verse>
				<verse number="29">ፍልጠት ስለ ዝፀላእኹም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረፅኩም፥</verse>
				<verse number="30">ንምኽረይ ስለ ዘይፈተኹምዎን፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥</verse>
				<verse number="31">ፍረ መንገድኹም ክትበልዑ፥ ካብ ምኽርኹምውን ክትፀግቡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">ነቶም ዓያሹ፥ ካብ ጥበብ ምርሓቕ ክቐትሎም እዩ፤ ነቶም ደናቝር ከዓ፥ እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ወደይ፥ ንቓለይ እንተ ተቐበልካዮ፥ ንትእዛዛተይ ከዓ ተጠንቂቕካ እንተ ሓዝካየን፥</verse>
				<verse number="2">እዝንኻ ናብ ጥበብ እንተ ኣቕለብካ፥ ልብኻ ናብ ምስትውዓል እንተ መለስካ፥</verse>
				<verse number="3">እወ፥ ኣእምሮ ኽትረክብ፥ ምስትውዓልውን ክወሃበካ እንተ ተማህለልካ፥</verse>
				<verse number="4">ንጥበብ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፥ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካውን እንተ ኣሊሽካያ፥</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ክትፈልጥ ኢኻ፤ ንፍልጠት ኣምላኽ ከዓ ኽትረኽቦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ጥበብ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ካብ ኣፉ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ንቕኑዓት ድሕነት ይእክበሎም፤ ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">መንገዲ ፍትሒ ይሕሉ፤ መንገዲ ቕዱሳንውን የፅንዕ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ፅድቅን ፍርድን ቅንዕናን ኵሉ ሰናይ መንገድን ክትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="10">ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፤ ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ።</verse>
				<verse number="11">ምኽሪ ኽትሕልወካ፥ ምስትውዓል ድማ ኸተዕቝበካ እያ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ኽፉእ መንገዲ፥ ካብቶም ቀይናን ዝዛረቡ ሰባት ድማ ኽተናግፈካ እያ።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ንመንገዲ ቕንዕና ሓዲጎም፥ ብመንገዲ ፀልማት ይኸዱ፤</verse>
				<verse number="14">ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፤ ብቐይናን ነገርውን ደስ ይብሎም፤</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም መንገዶም ዝጠዋውዩ፥ ኣካይዳኦም ድማ ዘቐይንኑ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ወደይ፥ ካብታ ንሰብኣይ ንእስነታ ዝሓደገት፥ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣተወቶ ኪዳን ዝረስዐት ዘማዊት ሰበይትን፥ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራን ከተናግፈካ እያ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">ቤታ ናብ ሞት፥ መንገዳ ኸዓ ናብ ምዉታት ዘውርድ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሓደ እኳ ዝምለስ የለን፤ ንመንገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።</verse>
				<verse number="20">ንስኻ ግና ናይቶም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ኣብነት ተኸተል፤ ንመንገዲ ፃድቃንውን ሓልዋ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፥ እቶም ፍፁማት ከዓ ኣብኣ እዮም ዝተርፉ።</verse>
				<verse number="22">ሓጢኣተኛታት ግና ኻብ ምድሪ ይጠፍኡ፤ ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ወደይ፥ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፤ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እዩ፤ በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="5">ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤</verse>
				<verse number="6">ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።</verse>
				<verse number="7">በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ንስጋኻ ፈውሲ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ፀገን ክኾነካ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ማዕኸንካ እኽሊ ኽመልእ፥ መፅመቚኻ ድማ ብዀልዒ ወይኒ ቕፅፅ ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="11">ወደይ፥ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ብወርቅን ብብሩርን ካብ ምንጋድ፥ ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፤ ክቡር ዝኾነ ዅሉ እኳ ኣይመዓራረያን።</verse>
				<verse number="16">ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="17">መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።</verse>
				<verse number="20">ብፍልጠቱ ቓላያት ተሰንጠቑ፤ ደመናትውን ኣውሊ የንጠብጥቡ።</verse>
				<verse number="21">ወደይ፥ ነዚኣተን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፤ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።</verse>
				<verse number="22">ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፥ ንኽሳድካ ኸዓ ሞገስ ክኾናኻ እየን።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ሃዲእኻ መንገድኻ ኽትከይድ፥ እግርኻውን ኣይዕንቀፍን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ክሕልወካ፥ ብመፈንጠር ክትተሓዝ ከዓ ኣይሓድገካን እዩሞ።</verse>
				<verse number="27">ኢድካ ኽትገብረሉ ዝከኣላ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ነገር ኣይትኽልኣዮ።</verse>
				<verse number="28">ክትገብረሉ እናተኽኣለካ፥ ንብፃይካ “ኪድ ፅባሕ ተመለስ፤ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።</verse>
				<verse number="29">ብፃይካ ኣሚኑ ምሳኻ ኽነብር እንተሎ፥ ኣይትተናዀሎ።</verse>
				<verse number="30">ምስ ዘይበደለካ ሰብ፥ ብኸምኡ ኣይትፃላእ።</verse>
				<verse number="31">ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፤ ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ።</verse>
				<verse number="32">ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።</verse>
				<verse number="33">መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ሓጥእ እዩ፤ ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።</verse>
				<verse number="35">ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፤ ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣቱም ደቀይ፥ ተግሳፅ ወላዲ ስምዑ፤ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ ኸዓ ፅን በሉ።</verse>
				<verse number="2">ፅቡቕ ትምህርቲ እህበኩም ኣለኹ እሞ፥ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣነውን ነቦይ ዝሰምዕ ውሉድ ነበርኩ፤ ብእነይውን እፍቶ ነበርኩ፤</verse>
				<verse number="4">ኣቦይ ከምዙይ እናበለ ይምህረኒ ነበረ፤ ልብኻ ንቓለይ ይቀበሎ፤ ትእዛዘይውን ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።</verse>
				<verse number="5">ንጥበብን ምስትውዓልን ኣጥርየን፤ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፤ ካብኡውን ኣይተዘምብል።</verse>
				<verse number="6">ንጥበብ ኣይትሕደጋ፤ ንሳ ኸዓ ኽትሕልወካ እያ፤ ንስኻ ኣፍቅራ፤ ንሳውን ክተዕቝበካ እያ።</verse>
				<verse number="7">ጥበብ ዓባይ ነገር እያ እሞ ኣጥርያ፤ ካብ ኵሉ ሃብትኻውን ንምስትውዓል ኣጥርያ።</verse>
				<verse number="8">ልዕል ኣብላ፤ ንሳውን ልዕል ክተብለካ እያ፤ እንተ ሓቝፍካያ ኸተኽብረካ እያ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ፀጋ ኽትደፍአልካ፥ ዝፀበቐ ኣኽሊልውን ክትህበካ እያ።</verse>
				<verse number="10">ወደይ፥ ስማዕ፤ ንቓለይ ድማ ተቐበል፤ ዓመታት ዕድሜኻውን ክነውሕ እዩ።</verse>
				<verse number="11">መንገዲ ጥበብ መሃርኩኻ፤ ብመንገዲ ቕንዕና መራሕኹኻ።</verse>
				<verse number="12">ክትኸድ እንተለኻ፥ ንስጕምትኻ ኽዓግቶ ዝኽእል የለን፤ ክትጐዪ እንተለኻውን ኣይትዕንቀፍን ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ተግሳፅ፥ ህይወትካ እያ እሞ ሓዛ፤ ኣይትሕደጋ፤ ሓልዋውን።</verse>
				<verse number="14">ናብ መንገዲ ሓጥኣን ኣይትእቶ፤ ብጐደና ኽፉኣትውን ኣይትኺድ።</verse>
				<verse number="15">ካብኣ ረሓቕ፤ ኣይትኺዳውን፤ ኣግሊስካ መንገድኻ ኺድ።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።</verse>
				<verse number="17">እንጀራ ሓጢኣት ይበልዑ፤ ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="18">መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።</verse>
				<verse number="19">መንገዲ ኽፉኣት ግና ፀልማት እያ፤ እንታይ ከም ዘዕንቅፎምውን ኣይፈልጡን።</verse>
				<verse number="20">ወደይ፥ ናብ ዘረባይ ኣቕልብ፤ እዝንኻውን ናብ ቃለይ ኣዘንብል።</verse>
				<verse number="21">ንቓለይ ካብ ዓይንኻ ኣይተርሕቃ፤ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ድማ ሓልዋ።</verse>
				<verse number="22">ንሳ ንዝረኽብዋ ህይወት፥ ንዅሉ ስጋኦምውን ፈውሲ እያሞ።</verse>
				<verse number="23">ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።</verse>
				<verse number="24">ንኣፍ ልግመኛ ካባኻ ደርብዮ፤ ንሓሰውቲ ኸናፍርውን ካባኻ ኣርሕቀን።</verse>
				<verse number="25">ኣዒንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ፤ ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።</verse>
				<verse number="26">መንገዲ ኣእጋርኻ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ኣካይዳኻውን ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="27">ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል፤ ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ወደይ፥ ምኽሪ ኽተፅንዕ፥ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛ፥ ናብ ጥበበይ ኣድምፅ፤ እዝንኻውን ናብ ትምህርተይ ምለስ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይቲ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ ኣፋውን ካብ ዘይቲ ይልስልስ።</verse>
				<verse number="4">መወዳእታኣ ግና ኸም ዕረ መሪር፥ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሰይፊ ኸዓ በሊሕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣእጋራ ናብ ሞት፥ ስጕምታ ኸዓ ናብ ሲኦል የውርድ።</verse>
				<verse number="6">ቅኑዕ መንገዲ ህይወት ኣይትረክብን፤ በካይዳኣውን ኰብላሊት እያ፤ ዝፍለጥውን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ደቀይ፥ እምበኣርከስ ሕዚ ስምዑኒ፤ ካብ ቃላት ኣፈይውን ኣይትርሓቑ።</verse>
				<verse number="8">መንገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፤ ናብ ኣፍ ደገኣ ኣይትቕረብ።</verse>
				<verse number="9">ክብርኻ ንኻልእ፥ ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ።</verse>
				<verse number="10">ካልኦት ካብ ሃብትኻ ኸይፀግቡ፥ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልኦት ከይሓልፍ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ መወዳእታ ስጋኻን ሰውነትካን ምስ ተወድአ፥ ክትናሳሕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ፥ “ከመይከ ንተግሳፅ ፀላእኽዋ? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም?</verse>
				<verse number="13">“ስለ ምንታይከ ድምፂ መምህራነይ ዘይሰማዕኹ? ስለ ምንታይከ ዘየድሃብኩሎም?</verse>
				<verse number="14">“ኣብ ማእኸል ማሕበርን ጉባኤን፥ ናብ ኵሉ ኽፉእ ንምብፃሕ ቁሩብ ተሪፉኒ” ኽትብል ኢኻ።</verse>
				<verse number="15">ማይ ካብ ዒላኻ፥ ካብቲ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይካ ኸዓ ስተ።</verse>
				<verse number="16">ፍልፍል ማይካ ናብ ደገ፥ ሩባታትካ ናብ ኣደባባይዶ ይፈስስ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ዒላኻን ዓይኒ ማይካን፥ ንኣኻ ጥራሕ ይኹኑ፤ ጓኖትውን ኣይካፈሉኻ።</verse>
				<verse number="18">ዒላኻ ብሩኽ ይኹን፤ ምስ ሰበይቲ ንእስነትካውን ደስ ይበልካ።</verse>
				<verse number="19">ንሳ ኸም ፍትውቲ ዋልያ፥ ከም ፅብቕቲ ሜዳቝ ትኹነልካ፤ ኣጥባታ ኵልሻዕ የዕግብካ፤ ብፍቕራውን ኵልሻዕ ፅገብ።</verse>
				<verse number="20">ኣታ ወደይ፥ ስለ ምንታይ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተፍቅር? ንምንታይከ ሰበይቲ እማትካ እትሓቍፍ?</verse>
				<verse number="21">እምበኣርከስ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።</verse>
				<verse number="22">ሓጥእ ሰብ ብበደሉ ይሕንኰል፤ ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር።</verse>
				<verse number="23">ስለ ዘይተቐፅዐ ንሱ ይመውት፤ ብብዝሒ ድንቍርናኡ ድማ ይጋገ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ወደይ፥ ንብፃይካ እንተ ተውሓስካ፥ ስለ ጓና ኸዓ ኢድ እንተ ጠቓዕኻ፥</verse>
				<verse number="2">ብቓል ኣፍካ ተትሓዝካ፤ ብቓል ኣፍካ ተፈንጠርካ።</verse>
				<verse number="3">ወደይ፥ ኣብ ኢድ ጐረቤትካ ኻብ ወደቕካስ፥ ምእንቲ ነፃ ኽትወፅእ፥ ከምዙይ ግበር፦ ኪድሞ ቐልጢፍካ ንጐረቤትካ ኣትክሮ፤</verse>
				<verse number="4">ንዓይንኻ ድቃስ፥ ንቕርንብካ ትኽስታ ኣይትሃብ፤</verse>
				<verse number="5">ሜዳቝ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፥ ዒፍውን ካብ መፈንጠር ከም ዘምልጣ፥ ንርእስኻ ኣድሕን።</verse>
				<verse number="6">ኣታ ሃካይ ናብ ፃፀ ኺድ፤ መንገዱ ተመልኪትካውን ጠቢብ ኩን።</verse>
				<verse number="7">ሓለቓ ኾነ ኣዛዚ፥ ወይ ገዛኢ እንተይሃለዎ፥</verse>
				<verse number="8">ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፤ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።</verse>
				<verse number="9">ኣታ ሃካይ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትድቅስ? መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትስእ?</verse>
				<verse number="10">ሓንሳእ ትድቅስ፤ ሓንሳእ ኸዓ ትታኸስ፤ ክትድቅስውን ኢድካ ተመሳቕል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ድኽነት ከም ቅልጡፍ ጕሒላ፥ ስእነት ድማ ኣፅዋር ከም ዝተዓጠቐ ሽፍታ ኾይኑ ይመፀካ ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ክፉእን፥ ዓማፂን ሰብ፥ ብቐይናን ኣፍ ይመላለስ።</verse>
				<verse number="13">ብዓይኑ ይጠቅስ፤ ብእግሩ ይዛረብ፤ በፃብዕቱ የመልክት።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ጊዜ ብልቡ ተንኰል ይኣልም፤ ክፋእ ይፍሕስ፤ ፅልኢ ድማ ይዘርእ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመፅእ፤ ብድንገት ድማ ይደቅቕ፤ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ዝፀልአን፥ ሽዱሽተ ነገራት እየን፤ ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤</verse>
				<verse number="17">“ዕቡይ ዓይኒ፥ ሓሳዊት መልሓስ፥ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥</verse>
				<verse number="18">“ክፍኣት ዝፍሕስ ልቢ፥ ክፉእ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፥</verse>
				<verse number="19">“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።</verse>
				<verse number="20">ወደይ፥ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፤ ንሕጊ ወላዲትካ ኸዓ ኣይትሕደግ።</verse>
				<verse number="21">ኵልሻዕ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ ኣብ ክሳድካ እሰሮ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ኽትከይድ እንተለኻ ይመርሐካ፤ ክትድቅስ እንተለኻ ይሕልወካ፤ ምስ ነቓሕኻውን የነጋግረካ።</verse>
				<verse number="23">ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።</verse>
				<verse number="24">እዙይ ካብታ ኽፍእቲ ሰበይቲ፥ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኸናግፈካ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንፅባቐኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፤ ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ።</verse>
				<verse number="26">ዋጋ ኣመንዝራ ክሳዕ ሓንቲ እንጀራ እዩ፤ ዘማዊት ሰበይቲውን ንህይወት ሰብ ተፃውድ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ሕቍፉ ሓዊ ዝሓቍፍ፥ ክዳኑ ዘይቃፀልከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="28">ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ዝኸይድ፥ ኣእጋሩ ዘይቃፀልከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="29">ናብ ሰበይቲ ብፃዩ ዘኣቱ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ኵሉ ዝነኽኣውን እንተይተቐፅዐ ኸቶ ኣይተርፍን።</verse>
				<verse number="30">ሰራቒ ጠምዩ ኽዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፥ ሰባት ኣይንዕቕዎን እዮም።</verse>
				<verse number="31">እንተ ተትሓዘ ኸዓ፥ ሸውዓተ ኢድ ይዓዲ፤ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ምስ ሰበይቲ እማቱ ዘመንዝር ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ከምኡ ዝገብርውን ንህይወቱ እዩ ዘጥፍኣ።</verse>
				<verse number="33">ውርደትን መግረፍትን ይቕበል፤ ውርደቱውን ከቶ ኣይድምሰስን።</verse>
				<verse number="34">ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፥ ሕነ ኽፈዲ እንተሎ ኣየናሕስን እዩ።</verse>
				<verse number="35">ንሱውን ካሕሳ ኣይቕበልን፤ ኣብዚሕኻ ውህብቶ እንተ ኣቕረብካሉኳ፥ ኣይዕረቕን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ወደይ፥ ንቓለይ ሓልዎ፤ ንትእዛዛተይውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።</verse>
				<verse number="2">ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፤ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="4">ንጥበብ “ንስኺ ሓፍተይ ኢኺ” በላ፤ ንምስትውዓልውን “እምንቲ ፈታዊተይ ኢኺ” በላ።</verse>
				<verse number="5">ንሳተን ከዓ ኻብ ሰበይቲ እማትካ፥ ካብታ መስሓቲ ቓል እትዛረብ ካልእ ሰበይቲ ኸናግፋኻ እየን።</verse>
				<verse number="6">ኣብ መስኮት ቤተይ ኮይነ፥ ብዓይኒ ርግቢ ኣማዕዱ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብኡ ብዙሓት ዓያሹ መናእሰይ ረአኹ፤ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ሓደ ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ ተመልከትኩ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ብኣደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መንገዲ ሓሊፉ፥ ናብታ ናብ ቤት ኣመንዝራ እትወስድ መንገዲ ኣምርሐ።</verse>
				<verse number="9">ምድሪ መስዩ፥ ፅልግልግታ ኾይኑ፥ ድቕድቕ ፀልማትውን ነበረ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ኽዳን ምንዝርና ዝተኸደነት፥ ነፍሳት ንምፅዋድ ዝተዳለወት ሰበይቲ ተራኸበቶ።</verse>
				<verse number="11">ንሳ ህውከተኛን ቀላልን ነበረት፤ ኣእጋራውን ኣብ ገዛኣ ኣይዓርፋን ነበራ።</verse>
				<verse number="12">ሓደ ጊዜ ኣብ ኣደባባይ፥ ሓደ ጊዜ ኣብ ዕዳጋ፥ ሓደ ጊዜ ኸዓ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትፅበ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ መንእሰይ ድማ ሓዘቶ፤ ሰዓመቶውን፤ ብዘይ ምሕፋር ገፁ እናጠመተት ከዓ፦</verse>
				<verse number="14">መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ገፅካ እደሊ ስለ ዝነበርኩ ኽቕበለካ ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ ረኸብኩኻ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ዓራተይ ብፈትሊ ግብፂ ዝተጠልፈ፥ ዝንጕርጕር ምንፃፍ ኣንፂፈ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ምድቃሰይ ከርበን፥ ዓልወን፥ ቀረፋን ነፂገሉ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ነዓ፥ ክሳዕ ዝወግሕ ብፍቕሪ ንርወ፤ ብምትሕቝቛፍውን ንተሓጐስ።</verse>
				<verse number="19">ሰብኣየይ ናብ ርሑቕ ስለ ዝገሸ፥ ኣብ ገዛ የለን።</verse>
				<verse number="20">ብኢዱውን ዝተቛፀረ ኸረጢት ብሪ ሒዙ ኸይዱ ኣሎ፤ ወርሒ ምሉእ ምስ ኮነት እዩ ዝምለስ በለቶ።</verse>
				<verse number="21">ብብዙሕ ጥበራኣ ኣስሓተቶ፤ ብልዙብ ከናፍራውን ኣታለለቶ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኹብኰብ ብዕራይ፥ ከምቲ ናብ ማእሰር ዝኸይድ ከልቢ፥ ከምቲ ፍላፃ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ፥ ብመፃወድያ ዝተሓዝ ሜዳቝ፥ ከምቲ ይጠፍእ ከም ዘሎ እንተይፈለጠ፥ ናብ መፈንጠር ዝህወኽ ዒፍ ኮይኑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰዓባ።</verse>
				<verse number="23"></verse>
				<verse number="24">እምበኣር ደቀይ፥ ስምዑኒ፤ ናብ ዘረባይ ድማ ኣቕልቡ።</verse>
				<verse number="25">ልብኻ ናብ መንገዳ ኣየዘምብል፤ ብመንገዳውን ኣይትስሓት።</verse>
				<verse number="26">ወጊኣ ዘውደቐቶም ብዙሓት እዮም፤ ዝቐተለቶምውን የመና ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="27">ገዛኣ መንገዲ ሲኦል እዩ፤ ናብ ውሻጠ ሞትውን ዘውርድ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ብሓቂ ጥበብ ዓው ኢላዶ ኣይትፅውዕን? ፍልጠትከ ድምፃዶ ኣይተስምዕን?</verse>
				<verse number="2">ኣብ ጫፍ ኰረብታታት ቆይማ፥ ኣብ ቀራናታት መንገዲ ደው ኢላ፥</verse>
				<verse number="3">ኣብ ጥቓ ደገታት፥ ኣብ መእተዊ ኸተማ፥ ኣብ ኣፍ በርታት ኮይና ድምፂ ተስምዕ ኣላ፦</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ሰባት፥ ንኣኻትኩም እየ ዝፅውዐኩም ዘለኹ፤ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘለኹ።</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ዓያሹ ፍልጠት ተምሃሩ፤ ኣቱም ሰነፋትውን ኣስተውዕሉ።</verse>
				<verse number="6">ክቡር ነገር ክዛረብ እየ እሞ ስምዑ፤ ከናፍረይውን ቅኑዕ ነገር ንምንጋር ክኸፍት እየ።</verse>
				<verse number="7">ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፤ ከናፍረይውን ንኽፍኣት ይፅየፋ።</verse>
				<verse number="8">ኵለን ቃላት ኣፈይ ሓቂ እየን፤ ቀይናናት ወይ ጥውይዋያት ኣይኮናን።</verse>
				<verse number="9">ንሳተን ንመስተውዓልቲ፥ ቅኑዓት እየን፤ ፍልጠት ምስ ዝረኸቡ ሰባትውን ዝሰማምዓ እየን።</verse>
				<verse number="10">ንተግሳፀይ ካብ ብሩር፥ ንፍልጠተይውን ካብ ፅሩይ ወርቂ ምረፅዎ።</verse>
				<verse number="11">ጥበብ፥ ካብ ክቡር ዕንቍ ትበልፅ እያሞ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ጥበብ፥ ብብልሓት ተቐሚጠ ኣለኹ፤ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ረኺበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።</verse>
				<verse number="14">ምኽርን ቅኑዕ ፍርድን ናተይ እዮም፤ ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ።</verse>
				<verse number="15">ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፤ መሳፍንቲ ብኣይ ቅኑዕ ሕጊ ይሕግጉ።</verse>
				<verse number="16">ኣሕሉቕን ክቡራንን፥ ፈረድቲ ምድሪ እውን ብኣይ ይገዝኡ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ነቶም ዘፍቅሩኒ ኣፍቅሮም፤ እቶም ተጊሆም ዝደልዩኒ ኸዓ ይረኽቡኒ።</verse>
				<verse number="18">ሃብትን ክብረትን፥ ነባሪ ጥሪትን በረኸትን ኣባይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ፍረይ ካብ ፅሩይ ወርቂ፥ ረብሓይ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልፅ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ብመንገዲ ፅድቂ እኸይድ፤ ብማእኸል ጐዳና ፍትሒውን እመላለስ።</verse>
				<verse number="21">ንዝፈትዉኒ ርስቲ ኣውርሶም፤ ቤት መዝገቦምውን እመልእ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር መጀመርታ መንገዱ ገበረኒ።</verse>
				<verse number="23">ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርታ፥ ምድሪ እንተይተፈጥረት ነበርኩ።</verse>
				<verse number="24">ገና ባሕርታት እንተይነበረ፥ ዓይኒ ማያት እንተይወሓዘ፥ ኣነ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="25">እምባታት እንተይተሰረቱ፥ ቅድሚ ዀረብታታት ኣነ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="26">ንምድርን ንመይዳን፥ ነቲ መጀመርታ መሬትን እንተይፈጠሮ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="27">ንሰማያት ከቑሞ እንተሎ፥ ንጠፈር ኣብ ልዕሊ ባሕርታት ክዝርግሖ እንተሎ፥</verse>
				<verse number="28">ንደመና ናብ ላዕሊ ኸቝሞ እንተሎ፥ ንዓይኒ ባሕሪ ክኸፍቶ እንተሎ፥</verse>
				<verse number="29">ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሓልፍ፥ ንባሕሪ ኽውስኖ እንተሎ፥ ንመሰረታት ምድሪ ኸቕውም እንተሎ፥ ኣብኡ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኽኢላ ኾይነ ምስኡ ነበርኩ፤ በብመዓልቱ ብኣይ ይሕጐስ፤ ኵልሻዕ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="31">በቲ ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮ እሕጐስ ነበርኩ፤ ደስታይ ከዓ ብደቂ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ሕዚ ድማ ደቀይ! መንገደይ ዝሕልዉ ብፁኣን እዮም እሞ ስምዑኒ።</verse>
				<verse number="33">ትምህርተይ ስምዑ፤ ለባማት ኩኑ፤ ሸለልውን ኣይትበልዎ።</verse>
				<verse number="34">እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ፥ ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ፤</verse>
				<verse number="35">እቲ ዝረኽበኒ፥ ህይወት ይረክብ፤ ካብ እግዚኣብሄር ድማ ሞገስ ይረክብ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ልዕለይ ዝብድል ንባዕሉ ይጐድእ፤ ኵሎም እቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ሞት ይፈትዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ጥበብ ቤታ ሓነፀት፤ ሸውዓተ ኣዕማድውን ኣቖመትሉ።</verse>
				<verse number="2">ሰባብሕታ ሓረደት፤ ወይና ፀመቘት፤ ማእዳውን ኣሰናደወት።</verse>
				<verse number="3">ኣገልገልታ ናብቲ የመና ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ለኣኸት፤ ከምዙይ ኢላ ድማ ፀውዐት፦</verse>
				<verse number="4">“ዘይለበመ እንተ ሃልዩ ናብዙይ ይምፃእ።” ኣእምሮ ንዝጐደሎም ከምዙይ በለት፦</verse>
				<verse number="5">ንዑ፥ እንጀራይ ብልዑ፤ ዝፀመቝኩዎ ወይነይ ስተዩ።</verse>
				<verse number="6">ብህይወት ክትነብሩስ ስንፍና ሕደጉ፤ ብመንገዲ ምስትውዓል ድማ ተመላለሱ።</verse>
				<verse number="7">ንመላገፂ ዝምዕድ ንባዕሉ ፀርፊ ይቕበል፤ ንኽፉእ ዝግስፅ ከዓ ውርደት ይመፆ።</verse>
				<verse number="8">ከይፀልአካስ፥ ንሰነፍ ኣይትገስፆ፤ ንለባም ገስፆ፥ ክፈትወካ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንጥበበኛ መሃሮ፥ ጥበብ ክውስኽ እዩ፤ ንፃድቕ መሃሮ፤ ፍልጠት ክውስኽ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ናይ ጥበብ መጀመርታ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ፤ ነቲ ቕዱስ ምፍላጥውን ምስትውዓል እዩ።</verse>
				<verse number="11">ዕለታትካ ብኣይ እየን ዝበዝሓ፤ ዓመታት ዕድሜኻውን ክውሰኻልካ እየን።</verse>
				<verse number="12">ለባም እንተ ዄንካ፥ ንርእስኻ ትልብም፤ መላገፂ እንተ ዄንካ፥ በይንኻ ኢኻ እትሽከሞ።</verse>
				<verse number="13">ሰነፍ ሰበይቲ ሁከተኛ እያ፤ ሓሳብ የብላን፥ ሓደኳ ዘይትፈልጥ እያ፤</verse>
				<verse number="14">ንሳ ኣብ ደገ ቤታን፥ ኣብ በሪኽ ስፍራ ኸተማን፥ ኣብ መንበር ትቕመጥ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ኣቕኒዖም ዝኸዱ ሓለፍቲ መንገዲ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢላ ትፅውዖም፦</verse>
				<verse number="16">“ኣቱም ዓያሹ፥ ንዑ እተዉ።” ነቲ ኣእምሮ ዘይብሉ ድማ፦</verse>
				<verse number="17">“ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፤ ዝተሓብአ እንጀራውን ደስ የብል እዩ” ትብሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ግና ምዉታት ኣብኡ ኸም ዘለዉ፥ ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቕ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እዙይ ምስላታት ሰሎሞን እዩ፦ ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፤ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ እኖኡ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ብሓጢኣት ዝተረኽበ ሃብቲ ኣይጠቅምን እዩ፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት የናግፍ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ንነፍሲ ፃድቕ ኣየጥምያን እዩ፤ ንትምኒት ክፉኣት ግና የንኰላልፎ።</verse>
				<verse number="4">ኢድ ሃካይ ድኻ ትገብር፤ ኢድ ትጉህ ግና ሃብታም ትገብር።</verse>
				<verse number="5">ለባም ወዲ፥ እኽሉ ብሓጋይ ይእክብ፤ እቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ዝድቅስ ግና ንባዕሉ የዋርድ።</verse>
				<verse number="6">በረኸት ኣብ ልዕሊ ፃድቃን እዩ፤ ንኣፍ ሓጥኣን ግና ግፍዒ ይኸድኖ።</verse>
				<verse number="7">ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="8">ለባም ሰብ ምኽሪ ብምስትውዓል ይቕበል፤ ብኸንፈሩ ዝሰንፍ ግና ይወድቕ።</verse>
				<verse number="9">ብቕንዕና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፤ ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="10">ብዓይኑ ዝጠቅስ መከራ የምፅእ፤ ብሓቂ ዝግስፅ ግና ሰላም የምፅእ።</verse>
				<verse number="11">ኣፍ ፃድቕ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ንኣፍ ሓጥእ ግና ግፍዒ ይኸድኖ።</verse>
				<verse number="12">ፅልኢ፥ ንጐይቊ የልዕል፤ ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ከንፈር ብልሓተኛ ጥበብ ትርከብ፤ ሓለንጊ ግና ኣብ ዝባን ዓሻ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ለባማት ፍልጠት ይእክቡ፤ ኣፍ ሰነፍ ግና ናብ ጥፍኣት ይቐርብ።</verse>
				<verse number="15">ሃብቲ በዓል ፀጋ ንእኡ ዝፀንዐት ከተማ እያ፤ ጥፍኣት ድኻታት ግና ድኽነቶም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ዓስቢ ፃድቃን፥ ንህይወት እዩ፤ ፍረ ሓጥኣን ግና ንሓጢኣት እዩ።</verse>
				<verse number="17">ምዕዶ ዝሕሉ ብህይወት ይነብር፤ ተግሳፅ ዝኣቢ ግና ይስሕት።</verse>
				<verse number="18">ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።</verse>
				<verse number="20">መልሓስ ፃድቕ ዝፀረየ ብሩር እዩ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ፍረ የብሉን።</verse>
				<verse number="21">ከናፍር ፃድቃን ንብዙሓት ሰባት ይምግባ፤ ዓያሹ ግና ሰኣን ፍልጠት ይሞቱ።</verse>
				<verse number="22">በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።</verse>
				<verse number="23">ክፉእ ምግባር ንዓሻ ዋዛኡ እዩ፤ ጥበብ ከዓ ንለባም ከምኡ እያ።</verse>
				<verse number="24">ንሓጥኣን እቲ ዝፈርሕዎ ነገር ይመፆም፤ ንፃድቃን ግና ዝተመነይዎ ይወሃቦም።</verse>
				<verse number="25">ኣውሎ ንፋስ እንትሓልፍ ሓጥእ ኣይርከብን፤ ፃድቕ ግና ናይ ዘለኣለም መሰረት እዩ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ መፂፅ ንስኒ፥ ትኪ ኸዓ ንዓይኒ ዝጐድእ፥ ሃካይ ንለኣኺኡ ኸምኡ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ዕድመ የንውሕ፤ ዘመን ሓጥኣን ግና ትሓፅር።</verse>
				<verse number="28">ትፅቢት ፃድቃን ደስታ እዩ፤ ተስፋ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="29">መንገዲ እግዚኣብሄር፥ ብዘይ ነውሪ ንዝኸይድ እምባ እዩ፤ ንገበርቲ ኽፉእ ግና መጥፍኢ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ፃድቃን ንዘለኣለም ሃዲኦም ይነብሩ፤ ክፉኣት ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።</verse>
				<verse number="31">ኣፍ ፃድቕ ጥበብ ይዛረብ፤ ቀይናን መልሓስ ግና ትቝረፅ።</verse>
				<verse number="32">ከናፍር ፃድቕ ዘሐጕስ ነገር ይፈልጡ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ቐይናን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ትኽክለኛ ሚዛን ግና የሐጕሶ።</verse>
				<verse number="2">ትዕቢት እንተ መፂኣ ውርደት ትመፅእ፤ ኣብ ትሑታን ግና ጥበብ ትርከብ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ቅኑዓት ቅንዕናኣቶም ይመርሖም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም የጥፍኦም።</verse>
				<verse number="4">ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።</verse>
				<verse number="5">ንፍፁም ሰብ፥ ፅድቁ፥ ንመንገዱ የቕንዐሉ፤ ንሓጥእ ግና ሓጢኣቱ የውድቖ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ቅኑዓት ፅድቆም የናግፎም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም መፈንጠር ይኾኖም።</verse>
				<verse number="7">ሓጥእ እንተ ሞተ ተስፋኡ ይቋረፅ፤ እቲ ዝምክሐሉ ሓይሊ ድማ ኸንቱ ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">ፃድቕ ካብ መከራ ይድሕን፤ ሓጥእ ግና ኽንድኡ ይመፅእ።</verse>
				<verse number="9">ክፉእ ሰብ ንብፃዩ ብኣፉ የጥፍኦ፤ ፃድቕ ግና ብፍልጠት የምልጥ።</verse>
				<verse number="10">ፃድቃን ፅቡቕ እንተ ረኸቡ፥ ሃገር ትሕጐስ፤ ብጥፍኣት ሓጥኣን ኸዓ ዕልል ትብል።</verse>
				<verse number="11">ብበረኸት ቅኑዓት፥ ከተማ ልዕል ልዕል ትብል፤ ብኣፍ ሓጥኣን ግና ትግልበጥ።</verse>
				<verse number="12">ንብፃዩ ዝንዕቕ ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ለባም ግና ስቕ እዩ ዝብል።</verse>
				<verse number="13">ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።</verse>
				<verse number="14">ፅቡቕ ምኽሪ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ይወድቕ፤ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ድሕነት ይኸውን።</verse>
				<verse number="15">ንዘይፈልጦ ዝወሓስ መከራ ይቕበል፤ ካብ ውሕስነት ዝጥንቀቕ ግና ብህድኣት ይነብር።</verse>
				<verse number="16">ሕያወይቲ ሰበይቲ ሞገስ ትረክብ፤ ሃካያት ሃብቲ ኣይረኽቡን፤ ፃዕረኛታት ግና ሃብቲ ይረኽቡ።</verse>
				<verse number="17">ሕያዋይ ሰብ ንባዕሉ ፅቡቕ ይገብር፤ ጨካን ግና ንስጋኡ ይጐድእ።</verse>
				<verse number="18">ናይ ሓጥእ ሰብ ሞያ ረብሓ የብሉን፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="19">ብሓቂ ዝፀንዕ ብህይወት ይነብር፤ ክፍኣት ዝኽተል ግና ሞቱ የዳሉ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ነቶም ጠዋይ ዝልቦም ይፅየፎም፤ ብመንገዶም ፍፁማት ዝኾኑ ግና ዝተፈተዉ እዮም።</verse>
				<verse number="21">ክፉእ ሰብ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን።</verse>
				<verse number="22">ምስትውዓል ዝጐደላ መልክዐኛ ሰበይቲ፥ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዝተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ድልየት ፃድቃን ሰናይ እዩ፤ ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ሓድሓደ ሰባት ገንዘቦም ብልግሲ ይህቡ፤ መሊሶም ከዓ ይህብትሙ፤ ሓድሓደ ኸዓ ብዘይመጠን ይነፍጉ፤ የመናውን ይደኽዩ።</verse>
				<verse number="25">ለጋስ ነፍሲ፥ የመና ትፀግብ፤ እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ።</verse>
				<verse number="26">ኣኽቢረ ኽሸጦ ኢሉ እኽሉ ንዝዓቍር ሰብ፥ ህዝቢ ይረግሞ፤ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዝሸይጥ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሰናይ ዝደሊ ሰናይ ይረክብ፤ ነቲ ኽፉእ ዝደሊ ግና ኽፉእ ይረኽቦ።</verse>
				<verse number="28">ብሃብቱ ዝእመን ይወድቕ፤ ፃድቃን ግና ኸም ቈፅሊ ይልምልሙ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንቤቱ ዝህውኽ ንፋስ ይወርስ፤ ዓሻ ድማ ነቲ ጥበበኛ ሰብ ኣገልጋሊ ይኸውን።</verse>
				<verse number="30">ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እያ፤ ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።</verse>
				<verse number="31">እንሆ ፃድቕ ፍዳኡ ኣብ ምድሪ ዝቕበል ካብ ኮነ፥ ሓጥእን ዓማፅን ደኣ ኸመይ ክኾኑ እዮም?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ተግሳፅ ዝፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፤ ተግሳፅ ዝፀልእ ግና ዓሻ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ሕያዋይ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይረክብ፤ ንተንኰለኛ ግና ይቐስፎ።</verse>
				<verse number="3">ንሰብ ዓመፅ ኣየፅንዖን፤ ሱር ፃድቃን ግና ነቕ ኣይብልን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ እያ፤ ነውራም ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ኸም ቍንቁነ እያ።</verse>
				<verse number="5">ሓሳብ ፃድቃን ቅኑዕ እዩ፤ ምኽሪ ሓጥኣን ግና ተንኰል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ዘረባ ሓጥኣን ደም ንምፍሳስ ተድቢ፤ ኣፍ ቅኑዓት ግና የናግፎም።</verse>
				<verse number="7">ሓጥኣን ይግልበጡ፥ መሊሶምውን ኣይርከቡን፤ ቤት ፃድቃን ግና ፀኒዑ ይነብር።</verse>
				<verse number="8">ሰብ ብመጠን ፍልጠቱ ይነኣድ፤ ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ እንጀራ ጐዲልዎ እንተሎ ንባዕሉ ዘኽብር ሰብ፥ እቲ ንባዕሉ ባርያ ኾይኑ ዝተጠቕዐ ሰብ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="10">ፃድቕ ሰብ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርህርህ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ጨካን እዩ።</verse>
				<verse number="11">መሬቱ ዝሓርስ ሰብ፥ እንጀራ ይፀግብ፤ ንኸንቱ ነገር ዝጐዪ ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ፍቓድ ሓጥኣን መፃወድያ ኽፍኣት እያ፤ ሱር ፃድቃን ግና ፍረ ይህብ።</verse>
				<verse number="13">ክፉእ ሰብ ብሓጢኣት ከንፈሩ ይጥለፍ፤ ፃድቕ ግና ኻብ መከራ የምልጥ።</verse>
				<verse number="14">ነፍሲ ሰብ፥ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ነገር ትፀግብ፤ ሰብ ድማ ኸም ስራሕ ኢዱ ይፍደ።</verse>
				<verse number="15">መንገዲ ዓሻ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕንዕቲ እያ፤ ለባም ግና ምኽሪ ይሰምዕ።</verse>
				<verse number="16">ኵራ ዓሻ ሽዑ ንሽዑ ይፍለጥ፤ ለባም ሰብ ግና ንነውሪ ይሓብእ።</verse>
				<verse number="17">ሓቂ ዝዛረብ ቅንዕና የውሪ፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ የውሪ።</verse>
				<verse number="18">ከም ዝዋጋእ ሰይፊ ዝልፍልፍ ሰብ ኣሎ፤ መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ።</verse>
				<verse number="19">ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፤ ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ውሽጢ ልቢ እቶም ክፉእ ዝሓስቡ፥ ተንኰል ኣሎ፤ እቶም ሰላም ዝመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።</verse>
				<verse number="21">ንፃድቕ ክፉእ ኣይረኽቦን፤ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት ዝተመልኡ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ሓሰውቲ ኸናፍር ብእግዚኣብሄር ኣፀየፍቲ እየን፤ እቶም ሓቀኛታት ግና የሐጕስዎ።</verse>
				<verse number="23">መስተውዓሊ ፍልጠቱ ይስውር፤ ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውሪ።</verse>
				<verse number="24">ኢድ ትጉህ ትገዝእ፤ ኢድ ሃካይ ግና ትግብር።</verse>
				<verse number="25">ንሰብ ኣብ ልቡ ዘሎ ሓዘን የዋርዶ፤ ሰናይ ቃል ግና የሐጕሶ።</verse>
				<verse number="26">ፃድቕ ንብፃዩ መንገዲ የርእዮ፤ ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም።</verse>
				<verse number="27">ሃካይ ሰብ ሃዲኑ ዘምፅኦ እኳ ኣይጠብስን፤ ትግሃት ግና ንሰብ ዝኸበረ ሃብቲ እያ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ መንገዲ ፅድቂ ህይወት ኣሎ፤ ኣብ መንገዳውን ሞት የለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ለባም ውሉድ ተግሳፅ ኣቦኡ ይሰምዕ፤ መላገፂ ግና ተግሳፅ ኣይሰምዕን።</verse>
				<verse number="2">ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ሰናይ ይምገብ፤ ነፍሲ ዓመፀኛታት ግና ግፍዒ ትምገብ።</verse>
				<verse number="3">ኣፉ ዝገትእ፥ ህይወቱ ይሕሉ፤ ከንፈሩ ዝኸፍት ግና፥ ጥፍኣት ይረኽቦ።</verse>
				<verse number="4">ነፍሲ ሃካይ ሰብ ትምነ፥ ግና ሓንቲኳ ኣይትረክብን፤ ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ።</verse>
				<verse number="5">ፃድቕ ንዘረባ ሓሰት ይፀልኦ፤ ሓጥእ ግና የሕፍርን የነውርን።</verse>
				<verse number="6">ፅድቂ ነቲ ብመንገዱ ቕኑዕ ዝኾነ ይሕልዎ፤ ሓጢኣት ግና ንሓጥእ የውድቖ።</verse>
				<verse number="7">ንባዕሉ ሃብታም ኣምሲሉ ዝረአ ኣሎ፤ ግና ሓደኳ የብሉን፤ ንባዕሉ ድኻ ዘምስል ከዓ ኣሎ፤ ግና የመና ሃብቲ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="8">ሰብ ንህይወቱ ብገንዘቡ ይቢዜዋ፤ ድኻ ግና ዘስግኦ የብሉን።</verse>
				<verse number="9">ንፃድቃን ኵልሻዕ ብርሃን እዩ፤ መብራህቲ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="10">ትዕቢት፥ ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘምፅእ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።</verse>
				<verse number="11">ብኸንቱ ዝተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፤ ብፃዕሪ ዝተረኽበ ገንዘብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ።</verse>
				<verse number="12">ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕዝኖ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንትእዛዝ ዝንዕቕ ብትእዛዛት ተትሒዙ ይጠፍእ፤ ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ብዳሓን ይነብር።</verse>
				<verse number="14">ሰብ ካብ መፃወድያ ሞት ምእንቲ ኸምልጥ፥ ትምህርቲ ጠቢብ ፍልፍል ህይወት እያ።</verse>
				<verse number="15">ሰናይ ፍልጠት ሞገስ ይህብ፤ መንገዲ ዓመፀኛታት ግና ሓርፋፍ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ብልሂ ሰብ ብምስትውዓል ይሰርሕ፤ ዓሻ ግና ዕሽነቱ ይገልፅ።</verse>
				<verse number="17">ክፉእ ልኡኽ ኣብ ክፉእ ይወድቕ፤ እሙን ልኡኽ ግና ፈውሲ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ተግሳፅ ንዘይቕበል ሰብ፥ ድኽነትን ነውርን ይፀንሖ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይኸብር።</verse>
				<verse number="19">ዝተፈፀመ ትምኒት ንነፍሲ የሐጕሳ፤ ንዓያሹ ግና ኻብ ክፉእ ምርሓቕ ርኽሰቶም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ምስ ለባም ዝመላለስ ለባም ይኸውን፤ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና መከራ ይቕበል።</verse>
				<verse number="21">ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።</verse>
				<verse number="22">ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ግራት ድኻታት ብዙሕ ሲሳይ ይርከብ፤ ግና ኻብ ምጕዳል ፍርዲ ዝተልዓለ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="24">ንውሉዱ ብጨንገር ከይቐፅዕ ዝርህርህ ሰብ ንውሉዱ ይፀልእ፤ እቲ ንውሉዱ ዘፍቅሮ ግና ተጠንቂቑ ይቐፅዖ።</verse>
				<verse number="25">ፃድቕ ክሳዕ ዝፀግብ ይበልዕ፤ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንፅ፤ ዓሻ ግና በገዛ ኢዳ ተፍርሶ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ብቕንዕና ይኸይድ፤ መንገዲ ዘቐይንን ግና ይንዕቖ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ኣፍ ዓሻ በትሪ ትዕቢት ኣሎ፤ ለባማት ግና ብኸንፈሮም ይሕለዉ።</verse>
				<verse number="4">ብዕራይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ እኽሊ ኣይርከብን፤ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እሙን ምስክር ኣይሕሱን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሰት እዩ ዝዛረብ።</verse>
				<verse number="6">መላገፂ ሰብ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፤ ንለባም ግና ፍልጠት ምርካብ ኣየሸግሮን።</verse>
				<verse number="7">ካብ ቅድሚ ዓሻ ረሓቕ፤ ካብኡ ኸንፈር ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ናይ ለባም ጥበብ፥ መንገዱ ምስትብሃሉ እዩ፤ ናይ ዓሻ ዕሽነት ግና፥ ጥበራ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ዓያሹ ብሓጢኣት የላግፁ፤ ኣብ ማእኸል ቅኑዓት ግና ሕያዋይነት ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፤ ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን።</verse>
				<verse number="11">ቤት ክፉኣት ይዓኑ፤ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይፀንዕ።</verse>
				<verse number="12">ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።</verse>
				<verse number="13">እናሰሓቕካውን፥ ልቢ ይጕሂ እዩ፤ መወዳእታ ሓጐስ ከዓ ሓዘን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ንልቡ ኻብ ፅድቂ ዝመልስ ሰብ፥ ካብ ፍረ መንገዱ ይፀግብ፤ ፃድቕ ሰብ ግና ኻብ ባዕሉ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፤ ለባም ግና ነካይዳኡ ይጥንቀቕ።</verse>
				<verse number="16">ለባም ሰብ ይፈርሕ፤ ካብ ክፉእ ድማ ይርሕቕ፤ ሰነፍ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ቍጡዕ ሰብ ስራሕ ዕሽነት ይሰርሕ፤ መስተውዓሊ ግና ይዕገስ።</verse>
				<verse number="18">ደናቝር ዕሽነት ይወርሱ፤ ለባማት ግና ዘውዲ ፍልጠት ይደፍኡ።</verse>
				<verse number="19">ዓመፅቲ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት፥ ሓጥኣን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ፃድቃን ይንብርከኹ።</verse>
				<verse number="20">ንድኻ ብፃዩ እኳ ይፀልኦ፤ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንብፃዩ ዝንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፤ ዝርህርሀሉ ግና ቡሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ክፉእ ዝሓስቡ ይጋገዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዝሓስቡ እየን።</verse>
				<verse number="23">ብስራሕ፥ ኵሉ ሃፍቲ ይርከብ፤ ብዙሕ ዘረባ ዝዛረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት የብፅሓ።</verse>
				<verse number="24">ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፤ ዕሽነት እቶም ዓያሹ ግና ዅልሻዕ ዕሽነት እዩ።</verse>
				<verse number="25">ሓቀኛ ምስክር ህይወት የድሕን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጠባሪ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ፅኑዕ እምባ ኣለዎ፤ ንደቁውን መዕቘቢ ይረክብ።</verse>
				<verse number="27">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ህይወት ፍልፍል እዩ፤ ንሰብ ከዓ ኻብ መፃወዲያ ሞት የድሕኖ።</verse>
				<verse number="28">ክብሪ ንጉስ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ እዩ፤ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት ገዛኢ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ንዕጉስ ሰብ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፤ ቍጡዕ ግና ንዕሽነቱ ይገልፃ።</verse>
				<verse number="30">ትሑት ልቢ፥ ንስጋ ህይወቱ እዩ፤ ቅንኢ ግና፥ ቍንቍነ ኣዕፅምቲ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ንድኻ ዝጭቍን ንፈጣሪኡ ይደፍር፤ ንስኡን ዝርህርህ ግና ንፈጣሪኡ የኽብር።</verse>
				<verse number="32">ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="33">ጥበብ ኣብ ልቢ መስተውዓሊ ትሓድር፤ ኣብ ልቢ ዓያሹ ግና ኣይትፍለጥን።</verse>
				<verse number="34">ፅድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፤ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝቢ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ብልሂ ሓሽከር ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞገስ ይረክብ፤ ነውሪ ኣብ ልዕሊ ዝገብር ሓሽከር ግና ቝጥዓ ንጉስ ይወርድ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ልዙብ መልሲ ንቝጥዓ የህድኦ፤ ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ።</verse>
				<verse number="2">ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።</verse>
				<verse number="3">ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፤ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ከዓ ይምልከታ።</verse>
				<verse number="4">ልዝብቲ ኣንደበት ኦም ህይወት እያ፤ ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር።</verse>
				<verse number="5">ሰነፍ ንምኽሪ ኣቦኡ ይንዕቖ፤ ዘለፋ ዝቕበል ግና፥ በዓል ኣእምሮ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ገዛ ፃድቕ ብዙሕ ሃብቲ ኣሎ፤ መዝገብ ሓጥእ ግና ህውከት እዩ።</verse>
				<verse number="7">ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዘርኣ፤ ልቢ ዓያሹ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="8">መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።</verse>
				<verse number="9">መንገዲ ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ፅድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ።</verse>
				<verse number="10">ቅኑዕ መንገዲ ሓዲጉ ኽፉእ ንዝገብር፥ ብርቱዕ መቕፃዕቲ ይወርዶ፤ ተግሳፅ ዝፀልእውን ይመውት።</verse>
				<verse number="11">ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፈለጡ እዮም፤ ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ።</verse>
				<verse number="12">መላገፂ ሰብ ዝግስፆ ኣይፈቱን፤ ናብ ጠቢባንውን ኣይኸይድን።</verse>
				<verse number="13">ሕጉስ ልቢ ገፅ የብርህ፤ ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር።</verse>
				<verse number="14">በዓል በሊሕ ኣእምሮ ፍልጠት ይደሊ፤ ኣፍ ዓያሹ ግና ኣብ ስንፍና ይዋፈር።</verse>
				<verse number="15">ልቡ ዝሓዝን ሰብ፥ ዘመኑ ዝኸፍአት እያ፤ ሓጐስ ልቢ ግና ዅልሻዕ ደስ ዘብል ማእዲ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="17">ምስ ፅልኢ ስቡሕ ስጋ ኻብ ምብላዕ፥ ምስ ፍቕሪ ሓምሊ ምብላዕ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="18">ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።</verse>
				<verse number="19">መንገዲ ሃካይ ከም ሓፁር ዕሾኽ እያ፤ መንገዲ ፃድቃን ግና ዝተደላደለት ጐደና እያ።</verse>
				<verse number="20">ለባም ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ሰነፍ ውሉድ ግና ንወላዲቱ ይንዕቓ።</verse>
				<verse number="21">ስንፍና ነቲ ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ ደስታኡ እዩ፤ ለባም ግና ኣካይዳኡ የቕንዕ።</verse>
				<verse number="22">ምኽሪ እንትጐድል፥ እቲ ዝተሓሰበ እንተይተሳኽዐ ይተርፍ፤ ብዙሓት መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ ግና ይሳለጥ።</verse>
				<verse number="23">ሰብ ብመልሲ ኣፉ ይሕጐስ፤ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ዝዝረብ ቃል፥ ክንደይ ፅቡቕ እዩ!</verse>
				<verse number="24">ለባም ሰብ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ንኽርሕቕ፥ መንገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት የዕንዎ፤ ንደረት ምድሪ መበለት ግና የፅንዖ።</verse>
				<verse number="26">ሓሳብ ዓመፅቲ ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ልዙብ ቃላት ኣብ ቅድሚኡ ንፁህ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።</verse>
				<verse number="28">ልቢ ፃድቕ ዝምልሶ ይሓስብ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት የፈልፍል።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፤ ንፀሎት ፃድቃን ግና ይሰምዖ።</verse>
				<verse number="30">ብርሃን ዓይኒ ንልቢ የሐጉሶ፤ ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም።</verse>
				<verse number="31">እታ ናብ ህይወት ዘብፅሕ ተግሳፅ፥ እትሰምዕ እዝኒ፥ ኣብ ማእኸል ጠቢባን ትነብር።</verse>
				<verse number="32">እቲ ንተግሳፅ ሸለል ዝብል፥ ንነፍሱ ይንዕቓ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይልብም።</verse>
				<verse number="33">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፤ ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="2">ሰብ ኵሉ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንፁህ እዩ፤ መንፈስ ዝምዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ እትገብሮ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃቦ፤ ትልምኻውን ክሰልጠልካ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ብልቡ ዝዕበ ብእግዚኣብሄር ርኹስ እዩ፤ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።</verse>
				<verse number="6">ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።</verse>
				<verse number="7">ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።</verse>
				<verse number="8">ካብቲ ብዓመፅ ዝርከብ ብዙሕ እቶት፥ እቲ ብፅድቂ ዝርከብ ውሑድ እቶት ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="9">ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብይን እግዚኣብሄር ኣብ ከናፍር ንጉስ እዩ፤ ኣፉውን ብፍርዲ ኣይጋገን።</verse>
				<verse number="11">ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዮም፤ ናይ ኵሉ ኸረጢት መምዘኒ ኸዓ ስራሑ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ዙፋን ብፅድቂ እዩ ዝፀንዕሞ፥ ግፍዒ ምስራሕ ብነገስታት ፅሉእ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሓቀኛታት ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፤ ነቲ ቕንዕና ዝዛረብውን ይፈትዉዎ።</verse>
				<verse number="14">ቍጥዓ ንጉስ ከም ልኡኽ ሞት እዩ፤ ለባም ግና የህድኦ።</verse>
				<verse number="15">ገፅ ንጉስ እንተ በርሀ፥ ህይወት እዩ፤ ሞገሱ ኸዓ ኸም ደመና ፅብሓት እዩ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ምጥራይ ወርቂ፥ ክንደይኮን ምጥራይ ጥበብ ይበልፅ! ካብ ምጥራይ ብሩር፥ ክንደይኮን ምጥራይ ፍልጠት ይኸብር!</verse>
				<verse number="17">መንገዲ ቕኑዓት ካብ ክፉእ ምርሓቕ እዩ፤ እቲ ንመንገዱ ዝጥንቀቕ ድማ ንነፍሱ ይሕልዋ።</verse>
				<verse number="18">ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።</verse>
				<verse number="19">ምስ ዕቡያን ምርኮ ኻብ ምክፋልስ፥ ብትሑት መንፈስ ምስቶም ድኻታት ምዃን ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ቓል ዘቕልበሉ፥ ሰናይ ነገር ይረክብ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ልቡ ጥበበኛ ዝኾነ መስተውዓሊ ይበሃል፤ ብኸንፈሩውን ጥዑም ትምህርቲ የብዝሕ።</verse>
				<verse number="22">ፍልጠት፥ ንዘጥርያ ሰብ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ስንፍና ግና ነቶም ሰነፋት መቕፃዕቶም እያ።</verse>
				<verse number="23">ልቢ ብልሓተኛ ንኣፉ ይምህር፤ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="24">ልዙብ ቃል ወለላ መዓር እዩ፤ ንነፍስኻ ጥዑም፥ ነዕፅምትኻ ኸዓ ፈውሲ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።</verse>
				<verse number="26">ድልየት ዕለታዊ ምግቡ፥ ንሰራሕተኛ ፃዕራም ይገብሮ፤ ጥምየትውን ይደፋፍኦ።</verse>
				<verse number="27">ክፉእ ሰብ፥ ክፍኣት ይፍሕር፤ ኣብ ከንፈሩውን ዝነድድ ሓዊ ኣሎ።</verse>
				<verse number="28">ጠዋይ ሰብ ፅልኢ ይዘርእ፤ ሓማዪ ሰብ ከዓ፥ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።</verse>
				<verse number="29">ዓመፀኛ ሰብ ንብፃዩ ይሓባብሎ፤ ሰናይ ናብ ዘይኮነት መንገዲ ኸዓ ይመርሖ።</verse>
				<verse number="30">በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፤ ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም።</verse>
				<verse number="31">ሰያብ ፀጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፤ ብመንገዲ ፅድቂ ድማ ይርከብ።</verse>
				<verse number="32">ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።</verse>
				<verse number="33">ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ጐይቊ ኣብ ዘለዎ ገዛ፥ ሕሩድ ካብ ምብላዕ፥ ንቑፅ ቝራስ ምስ ሰላም ይበልፅ።</verse>
				<verse number="2">ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።</verse>
				<verse number="3">ብሩር ብመምከኺ፥ ወርቂ ድማ ብከውሪ ኸም ዝፍተን፥ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልቢ ይፍትኖ።</verse>
				<verse number="4">ክፉእ ሰብ ንኸንፈር በዳላይ ይሰምዕ፤ ሓሳዊውን ነታ ኽፍእቲ መልሓስ የዳምፅ።</verse>
				<verse number="5">ብድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይፀርፍ፤ ብጥፍኣት ዝሕጐስውን እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።</verse>
				<verse number="6">ንኣረጋውያን ዘውዶም ደቂ ደቆም እዮም፤ ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።</verse>
				<verse number="7">ንዓሻ ናይ ኵርዓት ኣነጋግራ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊኳ ንበዓል ስልጣን ዘረባ ሓሰት ኣይግብኦን።</verse>
				<verse number="8">ጉቦ፥ ንዝቕበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ቦታውን ስራሑ ይቐንዖ።</verse>
				<verse number="9">ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይሽፍኖ፤ ነገር ዝደጋግም ግና ፅኑዕ ዕርክነት ይፈላሊ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ሚእቲ ጊዜ ግርፋት ዓሻ፥ ተግሳፅ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።</verse>
				<verse number="11">ዓመፅ ጥራሕ ንዝደሊ ኽፉእ ሰብ፥ ጨካን መልእኽተኛ ይለኣኾ።</verse>
				<verse number="12">ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዘጋጥመካ፥ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽተጋጥመካ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="13">ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።</verse>
				<verse number="14">ምጅማር ጐይቊ፥ ከም ኣፋስሳ ማይ እዩ፤ ስለዙይ ጐይቊ እንተይተባርዐ፥ ንስኻ ኻብ ነገር ረሓቕ።</verse>
				<verse number="15">ክፉእ ንዝገብር ዘፅድቕ፥ ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ዝፈርድ፥ ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ፅሉኣት እዮም።</verse>
				<verse number="16">ጥበብ ንኽገዝእ ኣእምሮ የብሉን እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰነፍ መዐደጊ ጥበብ ገንዘብ እንተ ሃለወ ረብሓኡ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ፈታዊ ዅልሻዕ ይፈቱ፤ ሓው ድማ ንእዋን መከራ እዩ ዝውለድ።</verse>
				<verse number="18">ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብ ቀልጢፉ ኢድ ይጠቅዕ፤ ኣብ ቅድሚ ብፃዩውን ዋሕስ ይኸውን።</verse>
				<verse number="19">ባእሲ ዝፈቱ ኽርክር ይፈቱ፤ ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ።</verse>
				<verse number="20">ጠዋይ ዝልቡ ሰብ ሰናይ ኣይረክብን፤ ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="21">ሰነፍ ውሉድ ዝወለደ ኣቦ፥ ይሓዝን።</verse>
				<verse number="22">ደስ ዝበላ ልቢ፥ ሰናይ መድሓኒት እያ፤ ሕዙን መንፈስ ግና ነዕፅምቲ የንቅፆ።</verse>
				<verse number="23">ሓጥእ፥ መንገዲ ፍትሒ ንምቕይናን፥ ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል።</verse>
				<verse number="24">ጥበብ ኣብ ቅድሚ ለባማት ትነብር፤ ዓይኒ ሰነፍ ግና ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ሰነፍ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፤ ንኖኡ ድማ ምረት እዩ።</verse>
				<verse number="26">ንፃድቕ ምቕፃዕ፥ ንኽቡራት ድማ ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ግቡእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="27">ውሑድ ቃል ዝዛረብ ፈላጥ እዩ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ሰነፍ ስቕ እንተበለ ለባም ይመስል፤ ከንፈሩ ዝቝልፍውን፥ በዓል ፍልጠት እዩ ይበሃል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ምፍላይ ዝፈቱ ትምኒቱ ይኽተል፤ ንዅሉ ሰናይ ጥበብውን ይቃወም።</verse>
				<verse number="2">ሰነፍ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ደኣ ኽገልፅ ይፈቱ እምበር፥ ክፈልጥ ኢሉ ኣይፅዕርን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ክፍኣት እንትመፅእ ንዕቐት ትመፅእ፤ ምስ ነውሪ እውን ፀርፊ ይመፅእ።</verse>
				<verse number="4">ቃላት ኣፍ ሰብ፥ ዓሚቝ ማያት እዩ፤ ፍልፍል ጥበብ ድማ ወሓዚ ሩባ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ፍርዲ ፃድቕ ምእንቲ ኽቕይንን፥ ንሓጥእ ሰብ ምድጋፍ ግቡእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="6">ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፤ ኣፉ ኸዓ ንበትሪ ትፅውዕ።</verse>
				<verse number="7">ኣፍ ዓሻ ንእኡ መጥፊኢኡ እዩ፤ ከናፍሩ ኸዓ ንነፍሱ መፃወድያ እየን።</verse>
				<verse number="8">ቃላት ጠባዊ እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፤ ንሱ ኽሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ድማ ይኣቱ።</verse>
				<verse number="9">ብስራሕ ሃካይ ዝኾነ፥ ሓው በታኒ ገንዘብ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።</verse>
				<verse number="11">ንሃብታም ሰብ፥ እቲ ሃብቱ ፅኑዕ ኸተማኡ እዩ፤ ብሓሳቡ ኸዓ ኸም ልዕል ዝበለ ቕፅሪ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።</verse>
				<verse number="13">እንተይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ፥ ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ።</verse>
				<verse number="14">ነፍሲ ሰብ እንተ ሓመመ፥ መንፈሱ ይድግፎ፤ ንዝተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል?</verse>
				<verse number="15">ልቢ መስተውዓሊ፥ ፍልጠት የጥሪ፤ እዝኒ ጠቢባን ከዓ ፍልጠት ትደሊ።</verse>
				<verse number="16">ንሰብ ውህብቶኡ ኣፍ ደገ ይኸፍተሉ፤ ናብ ዓበይቲ ሰባት ከዓ የእትዎ።</verse>
				<verse number="17">እቲ በዓል ነገሩ፥ መፂኡ ኣፀቢቑ ክሳዕ ዝምርመር፥ እቲ ኣቐዲሙ ዘስምዕ ሰብ፥ ሓቀኛ ይመስል።</verse>
				<verse number="18">ዕፃ ንባእሲ ይከላኸል፤ ኣብ ማእኸል ሓያላትውን ይብይን።</verse>
				<verse number="19">ዝተበደለ ሓው፥ ከም ዝተዓረደ ኸተማ ፅኑዕ እዩ፤ ባእሱ ድማ ኸም መሀርሀሪ ዕርዲ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ከብዲ ሰብ፥ ካብ ፍረ ኣፉ ይመልእ፤ ብእቶት ከናፍሩ ድማ ይፀግብ።</verse>
				<verse number="21">ሞትን ህይወትን፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም፤ እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ሰበይቲ ዝረኸበ፥ በረኸት ረኸበ፤ ካብ እግዚኣብሄርውን ሞገስ ይቕበል።</verse>
				<verse number="23">ድኻ ብቕብጥሮት ይዛረብ፤ ሃብታም ግና ብትረት ይምልስ።</verse>
				<verse number="24">ፈተውቲ ዘብዝሕ ሰብ ይጠፍእ፤ ግና ኻብ ሓው በሊፁ ዝቐርብ ፈታዊውን ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ብኸናፍሩ ኻብ ዝውስልት ሰነፍ፥ ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="2">ነፍሲ፥ ብዘይ ፍልጠት ክትከውን ሰናይ ኣይኮነን፤ ቅልጡፍ እግሪ ኸዓ መንገዲ ይስሕት።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ብስንፍናኡ መንገዱ የቐይንን፤ ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር።</verse>
				<verse number="4">ሃብቲ፥ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፤ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይርሕቖ።</verse>
				<verse number="5">ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን።</verse>
				<verse number="6">ንለጋስ ሰብ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፤ ነቲ ውህብቶ ዝህብ ድማ ዅሎም ፈተውቱ ይኾኑ።</verse>
				<verse number="7">ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይፀልእዎ፤ ፈተውቱ ግዳ ኻብኡ ኽንደይ ዘይርሕቑ! ብቓላት ይስዕቦም፥ ግናኸ ኣይረብሕዎን።</verse>
				<verse number="8">ጥበብ ዘጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፤ ንምስትውዓል ዝሕልዋ ኸዓ ሰናይ ይረክብ።</verse>
				<verse number="9">ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="10">ንሰነፍ ሕንቃቐ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊ እኳ ንባርያ፥ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።</verse>
				<verse number="11">ምስትውዓል፥ ንሰብ ካብ ኵራ ደንጓዪ ይገብሮ፤ ምሕዳግ በደል ከዓ ኽቡር ይገብሮ።</verse>
				<verse number="12">ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሰነፍ ውሉድ ነቦኡ ሓዘን እዩ፤ ተጓያቚት ሰበይቲ ኸዓ ኸምቲ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ናሕሲ እያ።</verse>
				<verse number="14">ቤትን ሃብትን ካብ ወለዲ ይውረስ፤ ለባም ሰበይቲ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እያ።</verse>
				<verse number="15">ስራሕ ምፍታሕ ድቃስ የምፅእ፤ ነፍሲ ሃካይ ከዓ ትጠሚ።</verse>
				<verse number="16">ትእዛዝ ዝሕሉ ንነፍሱ ይሕሉ፤ መንገዱ ሸለል ዝብል ከዓ ይመውት።</verse>
				<verse number="17">እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ገና ተስፋ እንተሎ ንወድኻ ቕፅዓዮ፤ ምሟቱውን ኣይትድለ።</verse>
				<verse number="19">ቍጡዕ ሰብ ቅፅዓቱ ይኸፍል፤ እንተናገፍካዮ ድማ መሊስካ ተግድዶ።</verse>
				<verse number="20">ምኽሪ ስማዕ፥ ተግሳፅውን ተቐበል፤ ኣብ መወዳእታኻ ኸዓ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳብ ኣሎ፤ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር።</verse>
				<verse number="22">ንሰብ ርህራሄኡ እዩ ገይፁ፤ ካብ ሓሳዊ ሃብታም ሓቀኛ ድኻ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="23">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ናብ ህይወት ይመርሕ፤ እቲ ዝፈርሖውን ፀጊቡ ይሓድር፤ ክፉእ ከዓ ኣይረኽቦን።</verse>
				<verse number="24">ሃካይ ንኢዱ ናብ ፃሕሊ የእትዋ፤ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።</verse>
				<verse number="25">እቲ ገርሂ ምእንቲ ኽጥንቀቕ፥ ንመላገፂ ቕፅዓዮ፤ ንመስተውዓሊ እንተ ገሰፅካዮ፥ ፍልጠት ይረክብ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ነቦኡ ዝገፍዕ፥ ንኖኡውን ዝሰጒጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ወደይ፥ ነቲ ኻብ ፍልጠት ዘርሕቐካ ምኽሪ ኣይትስምዓዮ።</verse>
				<verse number="28">ወስላታ ምስክር ኣብ ፍትሒ የባጩ፤ ኣፍ ሓጥእ ከዓ በደል ይውሕጥ።</verse>
				<verse number="29">ንመላገፅቲ ፍርዲ፥ ንዝባን ዓያሹ ኸዓ በትሪ ተዳልዩሎም ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።</verse>
				<verse number="2">ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል።</verse>
				<verse number="3">ንሰብ ካብ ጐይቊ ምርሓቕ ክብረቱ እዩ፤ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ።</verse>
				<verse number="4">ሃካይ ሰብ፥ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሓርስን፤ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ድማ ይልምን፤ ግና ኣይረክብን።</verse>
				<verse number="5">ምኽሪ፥ ኣብ ልቢ ሰብ፥ ከምቲ ኣብ ዓሚቝ ዒላ ዘሎ ማይ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ግና ይቐድሖ።</verse>
				<verse number="6">“ብዙሓት ሰባት ሕያዋይነቶም የውርዩ፤ ግና ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ!</verse>
				<verse number="7">ፃድቕ ብዘይ ነውሪ ይነብር፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ደቁ ቡሩኻት እዮም።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዝተቐመጠ ንጉስ፥ ክፍኣት ንዝኾነ ዅሉ በዒንቱ ይፈልዮ።”</verse>
				<verse number="9">“ልበይ ፅሩይ እዩ፤ ካብ ሓጢኣተይ ከዓ ነፂሐ እየ” ኽብል ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="10">ክልተ ዓይነት ሚዛንን፥ ክልተ ዓይነት መስፈሪን፥ እዚኣተን ክልቲአን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹሳት እየን።</verse>
				<verse number="11">ህፃን ቅኑዕን ንፁህን ምዃኑ፥ ብዝገብሮ ስራሕ ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="12">ንትሰምዕ እዝንን ንትርኢ ዓይንን ንኽልቲአን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="13">ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፥ ድቃስ ኣይትፍቶ፤ ዓይንኻ ኽፈት፤ ሽዑ እንጀራኻ ኽትፀግብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ዓዳጊ “ሕማቕ እዩ፥ ሕማቕ እዩ” እናበለ ይዕድግ፤ መንገዱ ምስ ከደ ግና ይምካሕ።</verse>
				<verse number="15">ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን ይርከብ፤ ፈላጣት ከናፍር ግና ኽቡራት ኣቑሑ እየን።</verse>
				<verse number="16">ንዘይፈልጦ ንዝተውሓሰ ሰብ፥ ክዳኑ ውሰድ፤ ክንዲ እቲ ዘይፈልጦውን ንእኡ ዕገቶ።</verse>
				<verse number="17">እንጀራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፤ ደሓር ግና ኣፉ ፀፀር ይመልእ።</verse>
				<verse number="18">ሓሳብ ብምኽሪ ትፀንዕ፤ ብጥበብ ተመሪሕኻውን ተዋጋእ።</verse>
				<verse number="19">እቲ እናዞረ ዝሓሚ ምስጢር የውፅእ፤ ከንፈሩ ምስ ዘሞጥሙጥ ሰብውን ኣይትራኸብ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀርፍ፥ ግብ ኣብ ዝበለ ፀልማት መብራህቱ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ መወዳእታኡ ኣይባረኽን እዩ።</verse>
				<verse number="22">“ሕነይ ክፈዲ” ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ክልተ ዓይነት ሚዛን ብእግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ መታለሊ ሚዛን ከዓ ሰናይ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="24">ኣካይዳ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመንገዱ ዘስተውዕላ?</verse>
				<verse number="25">ሰብ ብታህዋኽ እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ እየ ኢሉ ምስተመባፅዐ፥ ድሕሪ መብፅዓ እንተ ተናስሐ፥ እዙይ መፃወድያ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ለባም ንጉስ ነቶም ረሲኣን ብመስአ የዝርዎም፤ መንኰራዅሩውን ኣብ ልዕሊኣቶም የንኰርኵረሎም።</verse>
				<verse number="27">ናይ ሰብ መንፈስ፥ መብራህቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዘሎ ዅሉ ይምርምሮ።</verse>
				<verse number="28">ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልውዎ፤ ዙፋኑ ድማ ብቕንዕና ትፀንዕ።</verse>
				<verse number="29">ሓይሊ፥ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፤ ሲበት ድማ ንኣረጋውያን ሽልማቶም እዩ።</verse>
				<verse number="30">ስምብራት ዝሓድግ መውቃዕቲ፥ ንኽፍኣት የንፅህ፤ መግረፍቲ ኸዓ ንውሽጢ ልቢ የፅርዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።</verse>
				<verse number="2">ኵሉ ሰብ፥ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።</verse>
				<verse number="4">ትዕቢተኛ ዓይንን፥ ትምክሕተኛ ልብን፥ ናይ ክፉኣት ግራት፥ ሓጢኣት እዩ።</verse>
				<verse number="5">ትልሚ ትጉህ፥ ናብ ረብሓ ይመርሕ፤ ታህዋኽ ግና ናብ ስእነት እዩ ዘውድቕ።</verse>
				<verse number="6">ብሓሳዊ መልሓስ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ ከም ግመ በኒኑ ይጠፍእ፤ ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ።</verse>
				<verse number="7">ቅንዕና ምግባር ኣይፈትዉንሞ፥ ዓመፅ ሓጢኣተኛታት ንባዕላቶም የጥፍኦም።</verse>
				<verse number="8">መንገዲ በደለኛ ቐይናን እያ፤ ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምንባር፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="10">ነፍሲ ሓጥእ ክፉእ ትምነ፤ ብፃዩውን ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ኣይረክብን።</verse>
				<verse number="11">መላገፂ እንትቕፃዕ፥ ዘይፈልጥ ሰብ ጥበብ ይረክብ፤ ለባም እንትግሰፅ ፍልጠት ይውስኽ።</verse>
				<verse number="12">ፃድቕ ስለ ቤት ሓጥእ ይሓስብ፤ ንኽፉኣት ድማ የጥፍኦም።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኣውያት ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝደፍን፥ ንሱ ባዕሉ የእዊ፥ ዝሰምዖ ግና የለን።</verse>
				<verse number="14">ብስዉር ዝኣተወ ገፀ በረኸት ኵራ የህድእ፤ ሕቡእ ውህብቶውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።</verse>
				<verse number="15">ቅኑዕ ፍትሒ፥ ንፃድቕ ሓጐስ እዩ፤ ንገበርቲ ዓመፃ ግና ጥፍኣት እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻብ ምስትውዓል መንገዲ ዘግልስ ሰብ፥ ኣብ ጉባኤ ምውታን ይቕመጥ።</verse>
				<verse number="17">ምቾት ዝፈቱ ይደኪ፤ ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ኸዓ ኣይህብትምን።</verse>
				<verse number="18">ሓጥእ፥ ቤዛ ፃድቕ እዩ፤ ጠላሚ ድማ ቤዛ ቕኑዕ ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ምስ ናግራምን መሰቀቒትን ሰበይቲ ካብ ምንባር፥ ኣብ በረኻ ምንባር ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ቤት ለባም ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፤ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።</verse>
				<verse number="21">ፅድቕን ምሕረትን ዝኽተል፥ ህይወትን ፅድቅን ክብርን ይረክብ።</verse>
				<verse number="22">ጥበበኛ ናብ ከተማ ሓያላት ይኣቱ፤ ንዝተኣማመኑሉ ዕርዶምውን የፍርስ።</verse>
				<verse number="23">ኣፉን መልሓሱን ዝዕቅብ ሰብ፥ ንሰብነቱ ኻብ መከራ ይሕልዋ።</verse>
				<verse number="24">ዕቡይን ምኩሕን ሰብ “መላገፂ” እዩ ስሙ፤ ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።</verse>
				<verse number="25">ኣእዳዉ ኽሰርሓ ኣይደልያንሞ፤ ንሃካይ ትምኒቱ ትቐትሎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ይምነ፤ ፃድቕ ግና ይህብ፤ ኣይስስዕንውን።</verse>
				<verse number="27">መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፤ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር።</verse>
				<verse number="29">ክፉእ ሰብ ገፅ ድርቅና የርኢ፤ ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ።</verse>
				<verse number="30">ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።</verse>
				<verse number="31">ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፤ ዓወት ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ፅቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይምረፅ፤ ሞገስ ከዓ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይበልፅ።</verse>
				<verse number="2">ሃብታምን ድኻን ተራኸቡ፤ ንዅላቶም ዝፈጠሮም እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="3">መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ገርህታት ግና ይሓልፉሞ ብእኡ ይጕድኡ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ምፍራሕን ትሕትናን፥ ሃብትን ክብርን ህይወትን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ መንገዲ ቐይናን እሾዅን መፈንጠርን ኣሎ፤ ነፍሱ ዝሕሉ ግና ኻብኡ ይርሕቕ።</verse>
				<verse number="6">ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ምርሓዮ፤ ምስ ዓበየውን፥ ካብኣ ኣየግልስን እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፤ ተላቃሒ ኸዓ፥ ባርያ መለቅሒ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ሓጢኣት ዝዘርእ መከራ ይዓፅድ፤ በትሪ ቝጥዓኡ ድማ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="9">ካብ እንጀራኡ ንድኻ ኣካፊሉ እዩሞ፥ ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን።</verse>
				<verse number="10">ንመላገፂ ስጐጎሞ ጐይቊ ኽውገድ እዩ፤ ባእስን ፀርፍን ከዓ ኽውዳእ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንፅህና ልቢ ዝፈቱ፥ ሞገስ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፥ ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።</verse>
				<verse number="12">ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይሕልዋኣ፤ ንሱ ግና ንቓላት ጠለምቲ ይግልብጦ።</verse>
				<verse number="13">ሃካይ “ኣብ ወፃኢ ኣንበሳ ኣሎ፤ ኣብ ማእኸል መንገዲ ኽመውት እየ” ይብል።</verse>
				<verse number="14">ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዝተቘጥዖ ኸዓ ኣብኣ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="15">ስንፍና ኣብ ልቢ ህፃን ተኣሲሩ ኣሎ፤ በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ።</verse>
				<verse number="16">ክህብትም ኢሉ ንድኻ ዝጭቍን፥ ንሃብታምውን ዝህብ፥ ኣብ ድኽነት ይወድቕ።</verse>
				<verse number="17">እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ቓላት ጠቢባን ስማዕ፤ ልብኻውን ናብ ትምህርተይ ኣቕልብ፤</verse>
				<verse number="18">ንኣኣተን ኣብ ልብኻ ኣፅኒዕኻ እንተ ሒዝካየን፥ ኣብ ከንፈርካውን ዝተዳለዋ እንተ ኾይነን፥ ሰናይ ነገር ክኾነልካ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እምነትካ ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ እንሆ ሎሚ ኣነ ንኣኻ ኣፍልጠካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ንዝጥይቑኻውን ቃል ሓቂ፥ ምምላስ ምእንቲ ኽትክእል ብምኽርን ብፍልጠትን፥ ዝኸበረ ነገርዶ ኣይፀሓፍኩልካን?</verse>
				<verse number="21">እዚኣተን፥ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ክምህራኻ እየን።</verse>
				<verse number="22">ንድኻ፥ ኣይተገድዶ፥ ድኻ እዩሞ፤ ንፅጉም ድማ ኣብ በሪ ኣይትድፍኣዮ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ነቲ ፍርዶም ክፋረደሎም እዩሞ፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ።</verse>
				<verse number="24">መንገዶም ምእንቲ ኸይትመሃር እሞ፥ ንነፍስኻ ኸይተፃውደላ፥ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፤ ምስ ቍጡዕ ኸዓ ኣይትኺድ።</verse>
				<verse number="25"></verse>
				<verse number="26">ከምቶም ኢዶም ዝጠቕዑ፥ ንበዓል ዕዳውን ዝወሓሱ ኣይትኹን፤ ምፍዳይ ምስ ሰኣንካ፥ ንምንታይ መንፀፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዝውሰድ?</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ኣቦታትካ ዘቖምዎ፥ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ።</verse>
				<verse number="29">ብሞያኡ ኽኢላ ንዝኾነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ምስ በዓል ስልጣን ኣብ ማእዲ እንተ ተሰሪዕኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ መን ከም ዘሎ፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህል፤</verse>
				<verse number="2">ህንፉፍ እኳ እንተ ኾንካ፥ ኣብ ጐረሮኻ ኻራ ግበር።</verse>
				<verse number="3">እንጀራ ሓሰት እዩሞ፥ ንጥዑም ብልዒ ኣይትብሃጎ።</verse>
				<verse number="4">ድልየትካ ንምግታእ ጥበብ ይሃሉኻ እምበር፥ ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትድከም።</verse>
				<verse number="5">ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።</verse>
				<verse number="6">እንጀራ ስሱዕ ኣይትብላዕ፤ ጣዕሚ ብልዑ ኸዓ ኣየብህግካ፤</verse>
				<verse number="7">ብልቡ ኸም ዝሓሰበልካ፥ “ብላዕ፥ ስተ” ይብለካ፤ ግና ልቡ ምሳኻ ኣይኮነን፤</verse>
				<verse number="8">ነቲ ዝበላዕኻዮ ምግቢ ኽትተፍኦ ኢኻ፤ ነቲ ፅቡቕ ዘረባኻውን ክተጥፍኦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ቓልካ ይንዕቖ እዩሞ፤ ኣብ እዝኒ ዓሻ፥ ቁም ነገር ዘለዎ ዘረባ ኣይትዛረብ።</verse>
				<verse number="10">ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ፤ ናብ ግራት ደኽታማት ከዓ ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="11">ተቤዛዊኦም እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ እዩ እሞ፤ ባዕሉ ኽንዳኣቶም ክፋረደካ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ልብኻ ንተግሳፅ፥ እዝንኻ ኸዓ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።</verse>
				<verse number="13">ንቘልዓ ብጨንገር ምቕፃዕ ኣይቐትሎን እዩሞ፥ ንቘልዓ ኻብ ምቕፃዕ ሸለል ኣይትበል።</verse>
				<verse number="14">ብጨንገር ትቐፅዖ፤ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ተድሕና።</verse>
				<verse number="15">ወደይ፥ ልብኻ መስተውዓሊ እንተ ኾይኑ፥ ልበይ ይሕጐስ፤</verse>
				<verse number="16">ከናፍርካውን ቅንዕና እንትዛረባ፥ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ መዓልቲ ደኣ ፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ይሃሉኻ እምበር፥ ልብኻ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።</verse>
				<verse number="18">እዙይ እንተ ደኣ ጌርካ ብርግፅ ፍፃሜ ኣለካ፤ ተስፋኻ ድማ ኸንቱ ኣይኸውንን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣታ ወደይ፥ ስማዕ ለባምውን ኩን፤ ንልብኻ ኸዓ ብቕኑዕ መንገዲ ምርሓዮ።</verse>
				<verse number="20">ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፤ ምብዛሕ ድቃስውን፥ ዝተቀዳደደ ጨርቂ የኽድን እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰተይቲ ወይንን፥ ኣብ ማእኸል ህሩፋት በላዕቲ ስጋን ኣይትቀመጥ።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፤ ንኖኻውን፥ ምስ ኣረገት ኣይትንዓቃ።</verse>
				<verse number="23">ንሓቂ ዓድጋ እምበር ኣይትሽጣ፤ ንሓቂ ንጥበብ ንተግሳፅ ንምስትውዓልን ድማ ገንዘብካ ግበረን።</verse>
				<verse number="24">ኣቦ ፃድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፤ ጥበበኛ ውሉድ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ደስ ይብሎ።</verse>
				<verse number="25">ኣቦኻን እኖኻን ብኣኻ ይተሓጐሱ፤ እታ ንኣኻ ዝወለደት ድማ ደስ ይበላ።</verse>
				<verse number="26">ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ።</verse>
				<verse number="27">ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፤ ዘማዊት ሰበይቲ ድማ ፀባብ ጕድጓድ እያ፤</verse>
				<verse number="28">ከም ከታሪ ትፀናቶ፤ ብዙሓት ወስላታታትውን ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ተብዝሕ።</verse>
				<verse number="29">ዋይዋይታ፥ ንመንዩ? ባእሲ፥ ንመንዩ? ሓዘን፥ ንመንዩ? ብኽያት፥ ንመንዩ? ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል፥ ንመንዩ? ምቕያሕ ዓይኒ፥ ንመን እዩ? ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጕዩ፥ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርፁ ዝእከቡዶ ኣይኮነን!</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ንወይኒ ምቕያሑ፥ ኣብ ብርለ ብርቕርቕ ምባሉ፥ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትመልከት።</verse>
				<verse number="32">ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።</verse>
				<verse number="33">ኣዒንትካ ንኣመንዝራታት ይሪኣ፤ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።</verse>
				<verse number="34">ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ለጥ ከም ዝበለ፥ ኣብ ጫፍ ዓምዲ መርከብ፥ ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን።</verse>
				<verse number="35">“ወቒዖምኒ፥ ግና ኣይተጐዳእኹን፤ ዘቢጦምኒ እዮም፤ ግና ኣይተፈለጠንን፤ መሊሰ ኽደልዮ ኸዓ፥ መኣዝ እየ ዝነቅሕ?” ክትብል ኢኻ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ወደይ፥ ልቦም ክፍኣት እዩ ዝሓስብ፤ ከናፍሮም ድማ ኽፍኣት እየን ዝዛረባሞ፥ በቶም እኩያት ሰባት ኣይትቕናእ፤ ምስኣቶምውን ክትነብር ኣይትድለ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ቤት ብጥበብ ይህነፅ፥ ብምስትውዓል ከዓ ይፀንዕ።</verse>
				<verse number="4">ብፍልጠት ካብ ኵሉ ዝኸበረን ዝፀበቐን ሃብቲ፥ ውሻጠታት ይመልእ።</verse>
				<verse number="5">ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ኸዓ ሓይሉ የፅንዕ።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ብጥበብ ተመሪሕኻ ተዋጋእ፤ ዓወት ከዓ ብዙሕ መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ጥበብ ንዓሻ የመና ዝረሓቐት እያ፤ ኣብ ደገ ኸዓ ኣፉ ኣይኸፍትን።</verse>
				<verse number="8">ክፉእ ክገብር ዝሓስብ ተንኰለኛ ይበሃል።</verse>
				<verse number="9">ዓሻ ዝሓስቦ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፤ ዘላግፅ ሰብ ከዓ ብሰብ ፍንፉን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ነቶም ናብ ሞት ዝዅብኰቡ ኣድሕኖም፤ ናብ ማሕረዲ ዝውሰዱውን ኣናግፎም።</verse>
				<verse number="12">“እንሆ እዝ ዅሉስ ኣይፈለጥክዎን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝምርምር ኣየስተውዕልንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕሉስ ኣይፈልጥንዶ? ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ?</verse>
				<verse number="13">ወደይ፥ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ መዓር ብላዕ፤ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ጥበብውን ንነፍስኻ ኸምኡ ኸም ዝኾነት ፍለጥ፤ እንተ ረኺብካያ ፍፃሜኻ ሰናይ ይኸውን፤ ተስፋኻውን ኣይጠፍእን።</verse>
				<verse number="15">ከም ሓጥእ ንቤት ፃድቕ ኣይተድብየላ፤ ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ።</verse>
				<verse number="16">ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን፤ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ።</verse>
				<verse number="17">ፀላኢኻ እንተ ወደቐ፥ ኣይትተሓጐስ፤ ብምስንኻሉውን፥ ልብኻ ደስ ኣይበሎ፤</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ነዙይ ሪኡ ብዓይኑ ኽፉእ ከይኸውን፥ ቍጥዓኡውን ካብኡ ኸይመልስ።</verse>
				<verse number="19">በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቈጣዕ፤ በቶም ዓመፀኛታትውን ኣይትቕናእ።</verse>
				<verse number="20">ክፉእ ሰብ ናይ ተስፋ ፍፃሜ የብሉን፤ መብራህቲ ሓጥኣንውን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ወደይ፥ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንንጉስ ከዓ ኣኽብር፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር።</verse>
				<verse number="22">ብድንገት መዓት ክወርዶም እዩ፤ ካብ ክልቲኦም ንዝመፅእ ጥፍኣት መን ይፈልጦ?</verse>
				<verse number="23">እዙይውን ቃል ጠቢባን እዩ፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="24">ንሓጥእ ፃድቕ ኢኻ ንዝብሎ፥ ህዝብታት ይረግምዎ፤ ኣህዛብውን ይፀልእዎ።</verse>
				<verse number="25">ነቶም ዝግስፅዎ ግና ደስታ ክኾነሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣቶምውን በረኸትን ሰናይ ዕድልን ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ቅኑዕ መልሲ ዝህብ ከም ምስዓም ከንፈር እዩ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ወፃኢ ዘሎ ስራሕኻ ኣስልጥ፤ ግራት ኣዳሉ፤ ብድሕሪኡ ገዛኻ ስራሕ።</verse>
				<verse number="28">ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ንብፃይካ ኣይትጕድኣዮ፤ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠብሮ።</verse>
				<verse number="29">“ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፥ ከም ግብሩውን ክፈድዮ እየ” ኣይትበል።</verse>
				<verse number="30">ብግራት ሃካይ፥ ብናይቲ ዓሻ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ሓለፍኩ፤</verse>
				<verse number="31">እንሆ ድማ፥ ኣብ ኵሉ ዃዂቶ በቚልዎ፥ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፥ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ብምስትውዓል ተመልከትክዎ፤ ንእኡ ሪአውን ትምህርቲ ረኸብኩ፤</verse>
				<verse number="33">ትኽስ ዝብልን ዝድቅስን፥ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝውዕልን ሰብ፥</verse>
				<verse number="34">ድኽነትን ስእነትን፥ ከም ኣፅዋር ዝዓጠቐ ሽፍታ፥ ድንገት ይመፃኦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">እዚኣተን ድማ ናይ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሰባት ዝኣኻኸብወን፥ ናይ ሰሎሞን ምስላታት እየን።</verse>
				<verse number="2">ክብሪ እግዚኣብሄር ነገር ምስዋር እዩ፤ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሰማያት ልዕል ዝበሉ ኸም ዝኾኑ፥ ምድሪ እውን ዕምቈት ከም ዘለዋ፥ ከምኡ ድማ ልቢ ነገስታት ክምርመር ኣይከኣልን።</verse>
				<verse number="4">ንብሩር ካብ ዝዕገቱ ኣፅርዮ፥ ሽዑ ንኣንጠረኛ ኣቕሓ ይወፀሉ።</verse>
				<verse number="5">ንኽፉኣት ሰባት ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆም፤ ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትመካሕ፤ ኣብ ስፍራ ዓበይቲ ኸዓ ኣይትቑም።</verse>
				<verse number="7">ኣዒንትኻ እናረአያ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብ እትዋረድ፥ “ናብዙይ ልዕል በል” ክትበሃል ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="8">ብፃይካ ምስ ኣሕፈረካ ዳሓር ከይትናሳሕ፥ ቀልጢፍካ ናብ ባእሲ ኣይትውፃእ።</verse>
				<verse number="9">ዝሰምዐ ኸይፀርፈካ ስምካ ኸዓ ኸይጠፍእ፥ ክርክርካ ምስ ብፃይካ ተኸራኸር፤ ምስጢር ካልእ ሰብ ግና ኣይተውፅእ።</verse>
				<verse number="10">እንተ ዘይኮነ ግና ምስጢር ከም እተውፅእ ካልእ ሰብ ክፈልጠካ እዩ፤ ስምካ ምስ ከፍአ ድማ ኽትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ብግቡእ ዝተዘርበ ቓል፥ ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ፃሕሊ ብሩር እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ብጊዜ ቐውዒ ዛሕሊ ኣስሓይታ ከም ዘሐጉስ፥ እሙን ልኡኽ ድማ ነቲ ዝለኣኾ ኸምኡ እዩ፤ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የዕርፋ እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ፈራዲ፥ ብትዕግስቲ ይልዝብ፤ ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር።</verse>
				<verse number="16">መዓር እንተ ረኸብካ፥ እምብዛ ኸይትፀግብ እሞ ኸይትተፍኦስ፥ ዝኣኽለካ ብላዕ።</verse>
				<verse number="17">ብፃይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይፀልአካ፥ እግርኻ ናብ ቤቱ ኣይተዘውትር።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ብጊዜ መከራ ኣብ ጠላሚ ሰብ ምፅጋዕ፥ ከም ዝተነቓነቐ ስንን፥ ከም ዝሰለለ እግርን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንሕዙን ልቢ ዝማሬ ዝዝምረሉ፥ ከምቲ ብጊዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዝቕንጥጦን፥ ኣብ ቍስሉ መፂፅ ዘፍስሰሉን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ እንጀራ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ማይ ኣስትዮ።</verse>
				<verse number="22">ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ትእክብ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፈድየካ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ከምቲ ንፋስ ሰሜን፥ ዝናም ዘምፅእ፥ ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ።</verse>
				<verse number="24">ምስ ናግራም ሰበይቲ፥ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምቕማጥ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ፥ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ዝፀምአ ሰብ፥ ዝሑል ማይ እንተ ረኸበ ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ርሑቕ ሃገር ብስራት ዝረኸበ ሰብ ይሕጐስ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ቅድሚ ሓጥእ ዝወድቕ ፃድቕ፥ ከምቲ ዝተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዒላን እዩ።</verse>
				<verse number="27">ከምቲ ኣብዚሕኻ መዓር ምብላዕ ፅቡቕ ዘይኮነ፥ ክብሪ ርእስኻ ምድላይውን ክብሪ ኣየምፅእን።</verse>
				<verse number="28">መንፈሱ ዘይገትእ ሰብ፥ ከምታ ቕፅሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ከምቲ በረድ ብፅብሓት፥ ዝናም ድማ ብቐውዒ ዘየድሊ፥ ከምኡውን ንሰነፍ ኽብረት ኣይግብኦን።</verse>
				<verse number="2">ከምታ እትነፍር ጭሩን፥ እትበርር ለዃዅቶን ዘይትዓልበካ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ኣይበፅሕን።</verse>
				<verse number="3">ሓለንጊ ንፈረስ፥ ልጓም ንኣድጊ፥ በትሪ ኸዓ ንዝባን ዓሻ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልስ፥ ንሰነፍ ከም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ንባዕሉ ዝለበመ ኸይመስሎ፥ ንዓሻ ኸም ስንፍናኡ መልሰሉ።</verse>
				<verse number="6">ብኢድ ሰነፍ መልእኽቲ ዝሰድድ፥ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርፅ፤ መከራውን ይሰቲ።</verse>
				<verse number="7">ኣፍ ዓሻ ዝዛረቦ ምስላ፥ ጠልጠል ከም ዝበለ እግሪ መፃጕዕ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንሰነፍ ክብረት ምሃብ፥ ከምቲ ኣብ ወንጭፍ ዝኣሰርካዮ እምኒ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ምስላ ኣብ ኣፍ ሰነፋት፥ ከምቲ ኣብ ኢድ ሰካር ዝኣተወ እሾዅ እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ምስ ሰነፍን፥ ምስ ሓላፊ መንገድን ዝወዓዓል፥ ከምቲ ንዝረኸቦ ዝወግእ ወርዋሪ ፍላፃ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፥ ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ።</verse>
				<verse number="12">“ኣነ ጥበበኛ እየ” ዝብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ካብኡ ንሰነፍ ተስፋ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሃካይ “ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ኣሎ፤ አረ ኣብ ኣደባባይውን ኣንበሳ ኣሎ” ይብል።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ማዕፆ ኣብ ወንድ ወንዶኡ ዝዘውር፥ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይገላበጥ።</verse>
				<verse number="15">ሃካይ ንኢዱ ናብ ፃሕሊ የእትዎ፤ ናብ ኣፉ ምምላስ ግና ድኻም ይኾኖ።</verse>
				<verse number="16">ሃካይ፥ ብምስትውዓል ክምልሱ ኻብ ዝኽእሉ፥ ሸውዓተ ሰባት ዝበለፀ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይመስሎ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ናብ ዘይነገሩ ዝኣቱ ሓላፊ መንገዲ፥ ከምቲ ንጭራ ኸልቢ ዝሕዝ ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ንብፃዩ ኣታሊሉስ፥ “ክፃወት እየ ዝገበርክዎ” ዝብል ሰብ፥ ከምቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ትንታግን ፍላፃን፥ እናወርወረ ዝፃወት ዕቡድ ሰብን እዩ።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">ዕንፀይቲ እንተ ተወድአ፥ ሓዊ ይጠፍእ፤ መጣቘሲ እንተ ዘየሎ ኸዓ ባእሲ የቋርፅ።</verse>
				<verse number="21">ሕመት ንጓህሪ ጋሃፅ ከም ዘብል፥ ዕንፀይትውን ንሓዊ ሃልሃል ከም ዘብል፥ ናግራም ሰብኣይ ከዓ ኸምኡ ባእሲ የሳውር።</verse>
				<verse number="22">ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ምግቢ እዩ፤ ናብ ውሽጢ መዓናጡ ድማ ይኣቱ።</verse>
				<verse number="23">ክፍኣት ብልቡ ሓቢኡ፥ ፍቕሪ ዝዛረብ ከንፈር፥ ብዝዕገት ብሩር ከም ዝተለበጠ፥ ኣቕሓ መሬት እዩ።</verse>
				<verse number="24">ፀላኢ ብኸንፈሩ የምስል፤ ብልቡ ግና ተንኰል የንብር።</verse>
				<verse number="25">ብልዙብ ቃል እንተ ተዛረበካ ኣይትእመኖ፤ ኣብ ልቡ ሸውዓተ ርኽሰት ኣለዎሞ።</verse>
				<verse number="26">ፅልኡ ብተንኰል እንተ ሓብአ እኳ፥ ክፍኣቱ ኣብ ጉባኤ ይግለፅ።</verse>
				<verse number="27">ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፤ እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ።</verse>
				<verse number="28">ሓሳዊት መልሓስ ንዘቝሰለቶም ትፀልኦም፤ ጠባሪት መልሓስውን ጥፍኣት ተምፅእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።</verse>
				<verse number="2">ካልእ ይንኣድካ እምበር ኣፍካ ኣይኮነን፤ ካልእ ይወድስካ እምበር ከናፍርካ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="3">እምኒ ኸቢድ እዩ፤ ሑፃ ኸዓ ሸኽሙ ረዚን እዩ፤ ካብ ክልቲኡ ግና ቝጥዓ ሰነፍ ይኸብድ።</verse>
				<verse number="4">ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?</verse>
				<verse number="5">ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="7">ዝፀገበት ነፍሲ ወለላ መዓር ትረግፅ፤ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና፥ ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ቤቱ ወፂኡ ዝዅብልል ሰብ፥ ሰፈራ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዒፍ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ።</verse>
				<verse number="10">ፈታዊኻን ፈታዊ ኣቦኻን ኣይትሕደግ፤ ብመዓልቲ መከራኻ እንዳ ሓውካ ኣይትኺድ፤ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓው፥ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት የሐይሽ።</verse>
				<verse number="11">ወደይ! ንዝፀርፈኒ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእልስ፥ ለባም ኩን፤ ንልበይውን ኣሐጕሶ።</verse>
				<verse number="12">መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ዘየስተውዕል ግና ጠጒጉ ይኣትዎ እሞ ብእኡ ይጕዳእ።</verse>
				<verse number="13">ንጓና ኻብ ዝተውሓሰ ሰብ ክዳኑ ውሰድ፤ ንዘይፈልጦ ንዝወሓስ ከዓ ዕገቶ።</verse>
				<verse number="14">ኣጋ ወጋሕታ ዓው ኢሉ ንብፃዩ ዝምርቕ፤ ከም ዝረገሞ እዩ ዝቝፀር።</verse>
				<verse number="15">ብመዓልቲ ጥምቕ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ቤትን፥ ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ንኣኣ ምዕጋት፥ ንንፋስ ምዕጋትን፥ ብኢድካ ዘይቲ ምዕዃትን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሓፂን፥ ንሓፂን ይስሕሎ፥ ሰብ ከዓ ንብፃዩ ይስሕሎ።</verse>
				<verse number="18">ንበለሱ ዝከናኸን፥ ፍረኡ ይበልዕ፥ ንጐይታኡ ዝከናኸን ከዓ ይኸብር።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ ማይ ገፅ ንገፅ ዘርእዮ፥ ልብኻውን ከምኡ፥ ናይ ባዕልኻ ኹነታት የርእየካ።</verse>
				<verse number="20">ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።</verse>
				<verse number="21">ወርቂ ብሓዊ፥ ብሩር ብመምከኺ ይፍተን፤ ሰብ ከዓ በቲ ዝቕበሎ ናእዳ ይምዘን።</verse>
				<verse number="22">ንዓሻ ምስ እኽሊ፥ ኣብ መጕእ እንተ እትፈፅሖ እኳ፥ ዕሽነቱ ኣይሓድጎን።</verse>
				<verse number="23">ሃለዋት ኣባጊዕኻ ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፤</verse>
				<verse number="24">ሃብቲ ንሓዋሩ፥ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥</verse>
				<verse number="26">ካብ ፀጕሪ ኣባጊዕኻ ኽዳን ትረክብ፤ ዲበላታትካ መዐደጊ ግራት ይኾኑኻ፤</verse>
				<verse number="27">ኣጣልካ ኸዓ ንኣኻን ንስድራኻን ንኣግራድካን ዝምግብ ፀባ ኽህባኻ እየን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ሓጥኣን ዝሰጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፤ ፃድቃን ግና ኸም ሽደን ኣንበሳ ተኣማሚኖም ይነብሩ።</verse>
				<verse number="2">ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።</verse>
				<verse number="3">ንምስኪን ዘጨንቕ ሰብ፥ ከምቲ ኣዝመራ ዘጥፍእ ብርቱዕ ዝናም እዩ።</verse>
				<verse number="4">ጠሓስቲ ሕጊ ንኽፉኣት ሰባት ይንእድዎም፤ ሕጊ ዝፍፅሙ ግና ይቃወምዎም።</verse>
				<verse number="5">ክፉኣት ሰባት ፍትሒ ኣየስተውዕሉን፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝእዘዝዎ ግና፥ ንዅሉ የስተውዕልዎ።</verse>
				<verse number="6">ብቐይናን መንገዲ ኻብ ዝኸይድ ሃብታም፥ ብቕንዕና ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="7">ንሕጊ ዝሕልዎ፥ መስተውዓሊ ውሉድ እዩ፤ ምስ ዘይረብሕ ዝተዓራረኽ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ብሃረፃን ብዘይግባእ ረብሓን ሃብቲ ዘብዝሕ፥ ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንሕጊ ኸይሰምዕ እዝኑ ዝደፍን ሰብ፥ ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ ክፉእ መንገዲ ዝመርሖም፥ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፤ እቶም ፍፁማን ግና፥ ሰናይ ነገር ክወርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝኾነ ይመስሎ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ግና ይዕዘቦ።</verse>
				<verse number="12">ፃድቃን እንተ ሰዓሩ፤ ዓብዪ ኽብሪ ኣሎ፤ ክፉኣት ሰባት ስልጣን እንትሕዙ ግና፥ ህዝቢ ይሕባእ።</verse>
				<verse number="13">ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።</verse>
				<verse number="14">ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፤ ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር።</verse>
				<verse number="17">ቀታሊ ሰብ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ይሃድም፤ ሓደ እኳ ኣየፀግዖን።</verse>
				<verse number="18">ብዘይ ነቐፋ ዝመላለስ ይድሕን፤ ብቐይናን መንገዲ ዝኸይድ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ይወድቕ።</verse>
				<verse number="19">ግራቱ ዝሓርስ እንጀራ ይፀግብ፤ ደድሕሪ ምናምን ዝስዕብ ግና ይደኪ።</verse>
				<verse number="20">ቅኑዕ ሰብ የመና ይባረኽ፤ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዝህወኽ ግና፥ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።</verse>
				<verse number="21">ኣድልዎ ግቡእ ኣይኮነን፤ ምእንቲ ቝራስ እንጀራ ምብዳልውን፥ ፅቡቕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="22">መንቀኛ ሰብ ክህብትም ይሃፅፅ፤ ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="23">ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥር፤ እቲ ንሰብ ዝግስፅ ደሓር ሞገስ ይረክብ።</verse>
				<verse number="24">እቲ “ሓጢኣት ኣይኮነን” እናበለ፥ ካብ ኣቦኡን እኖኡን ዝሰርቕ፥ ዓርኪ ሰራቒ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ።</verse>
				<verse number="26">ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ፤ እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን።</verse>
				<verse number="27">ንድኻ ዝህብ ኣይጐድሎን፤ ኣዒንቱ ዝዕምት ግና፥ ብዙሕ መርገም ይወርዶ።</verse>
				<verse number="28">ሓጥኣን ሰባት እንተ ተሸሙ ሰባት ይሕብኡ፤ እንተ ጠፍኡ ግና ፃድቃን ይበዝሑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።</verse>
				<verse number="2">ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ።</verse>
				<verse number="3">ጥበብ ዝፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ምስ ኣመናዝር ዝተዓራረኽ ግና ገንዘቡ ይውድእ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ንሃገሩ ብፍትሒ የፅንዓ፤ ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንብፃዩ ብተንኰል ዘቀባጥረሉ፥ ነእጋሩ መፃወድያ የፃውደሉ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ገበን ክፉእ ሰብ መፃወዲያ ኣሎ፤ ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን።</verse>
				<verse number="7">ፃድቕ ሰብ ንመሰል ድኻታት ይሕለቕ፤ ሓጢኣተኛ ሰብ ግና ንፍልጠት ኣየስተውዕልን።</verse>
				<verse number="8">መላገፅቲ ሰባት ከተማኦም የቃፅሉ፤ ጠቢባን ግና ባእሲ የህድኡ።</verse>
				<verse number="9">ለባም ምስ ዓሻ እንተ ተፃልአ፥ እቲ ዓሻ ይስሕቕ ወይ ይናደድ፤ ዕረፍቲ እውን የብሉን።</verse>
				<verse number="10">መፍሰስቲ ደም፥ ንፍፁም ሰብ ይፀልእዎ፤ ነፍሲ እቲ ቕኑዕውን ይደልዩ።</verse>
				<verse number="11">ሰነፍ ሰብ ንዅሉ ዅራኡ የውፅኦ፤ ጠቢብ ግና ይዓግቶ፤ የህድኦውን።</verse>
				<verse number="12">መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።</verse>
				<verse number="13">ድኻን ግፍዐኛን ይራኸቡ፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህብ።</verse>
				<verse number="14">ንድኻታት ብሓቂ ዝፈርድ ንጉስ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ይፀንዕ።</verse>
				<verse number="15">በትርን ተግሳፅን ጥበብ ይህቡ፤ ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።</verse>
				<verse number="16">ሓጥኣን እንተ በዝሑ፥ ሓጢኣት ይበዝሕ፤ ፃድቃን ግና ውድቀቶም ይሪኡ።</verse>
				<verse number="17">ንውሉድካ ቕፅዓዮ ኸዕርፈካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ታሕጓስ ክህባ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ራእይ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፤ ሕጊ ዝሕሉ ግና ዝተመስገነ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ባርያ፥ ብቓል ኣይግሰፅን፤ እንተ ኣስተውዓሎ እኳ ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="20">በነጋግራኡ ዝህወኽ ሰብ እንተ ርኢኻ፥ ካብኡ ንሰነፍ ዝሐሸ ተስፋ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ፥ ንባርያኡ ኣሐንቂቑ ዘዕቢ፤ ኣብ መወዳእታ ኸም ጐይታ ይኾኖ።</verse>
				<verse number="22">ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የለዓዕል፤ ሃለፍለፍ ዝብል ሰብ ከዓ ሓጢኣት የብዝሕ።</verse>
				<verse number="23">ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።</verse>
				<verse number="25">ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።</verse>
				<verse number="26">ብዙሓት ሰባት ገፅ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">እዙይ ቃል ኣጉር ወዲ ያቄ፥ ሰብ ናይ ሃገር ማሳ እዩ፤ ንሱውን ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="2">ኣነ ብርግፅ ካብ ኵሉ ሰብ ዝደንቈርኩ እየ፤ ምስትውዓል ወዲ ሰብውን የብለይን።</verse>
				<verse number="3">ጥበብ ኣይተምሃርኩን፤ ብዛዕባ እቲ ቅዱስውን ዝፈልጦ የብለይን።</verse>
				<verse number="4">ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?</verse>
				<verse number="5">“ኵሉ ቓል እግዚኣብሄር ኵሉዕ እዩ፤ ንሱ ንዝእመንዎ ዋልታኦም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ከይግስፀካ፥ ሓሳዊ ዄንካ ኸዓ ኸይትርከብስ፥ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።”</verse>
				<verse number="7">“ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ኽልተ ነገር ካባኻ እደሊ ኣለኹ፤ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንኣኣተን ኣይትኽልአኒ፤</verse>
				<verse number="8">ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">“ምእንቲ ኸይፀርፈካ፥ በዳሊ ኸዓ ኸይትኸውንስ፥ ንባርያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።”</verse>
				<verse number="11">“ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="12">ካብ ርኽሰት እንተይነፅሀ፥ ‘ኣነ ንፁህ እየ’ ዝብል ትውልዲ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="13">ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="14">ንምስኪናት ካብ ምድሪ፥ ንድኻታት ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኸጥፍእን ክጭርስን፥ ሰይፊ ዘስናኑ፥ ካራ ዝዀራርምቱ ትውልዲ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="15">“ዓለቕቲ ‘ሃበና፤ ሃበና’ ዝብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ።” “ሰለስተ ዘይፀግቡ፥ አረ ይኣኽለና ዘይብሉ፥ ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፤</verse>
				<verse number="16">እዚኣቶም ከዓ፥ ሲኦል፥ ዘይትወልድ ማህፀን፥ ማይ ሰትያ ዘይትፀግብ መሬት፥ ይኣኽለኒ ዘይብል ሓዊ እዮም።”</verse>
				<verse number="17">“ናይቲ ነቦኡ ዘባጭወሉ፥ ንኖኡ ኸዓ ዝንዕቓን ዘይእዘዛን ኣዒንቲ፥ ኳዃት ሩባ ኽጕጥጕጥወን፥ ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።”</verse>
				<verse number="18">“የመና ዝገርሙኒ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፤ ነቲ ራብዓይ ግና ፈፂመ ኣየስተውዕሎን፤</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ከዓ፥ መንገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፥ መንገዲ ተመን ኣብ ኰዅሒ፥ መንገዲ መርከብ ኣብ ማእኸል ባሕሪ፥ መንገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">“ግብሪ ዘማዊት ሰበይቲ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ከምኡውን በሊዓ ኣፋ እትሕብስሞ፥ ‘ሓደ ኽፉእ ነገር ኣይገበርኩን’ እትብል፥ መንገዲ ኣመንዝራ ሰበይቲ እያ።”</verse>
				<verse number="21">ምድሪ ብሰለስተ ነገር ትንቅጥቀጥ፤ አረ ነቲ ራብዓይስ ክትፆሮ ኣይትኽእልን፤</verse>
				<verse number="22">እዙይ ከዓ፥ ባርያ እንተ ነገሰ፥ ሰነፍ እንጀራ እንተ ፀገበ፥</verse>
				<verse number="23">ዝተፀልአት ሰበይቲ፥ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፥ ገረድ ንምበይታኣ እንተ ወረሰታ እዩ።</verse>
				<verse number="24">“ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ፥ ፍጥረታት ኣለዉ፤ ግናኸ ንሳቶም የመና ጥበበኛታት እዮም፦</verse>
				<verse number="25">ፃፀ ሓይሊ ዘይብሉ ፍጥረት እዩ፤ ግና ምግቡ ብሓጋይ ይእክብ።</verse>
				<verse number="26">ጊሔታት ሓይሊ ዘይብለን ፍጥረት እየን፤ ግና ሰፈረን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ይገብራ።</verse>
				<verse number="27">ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፤ ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ።</verse>
				<verse number="28">ምጭልቚት ብኢድካ ምሓዝ ዝከኣል እዩ፤ ግና ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ይነብር።”</verse>
				<verse number="29">ሰናይ ኣካይዳ ዝኸዱ፥ ሰለስተ ፍጥረታት ኣለዉ፤ እቲ ራብዓይውን ፅቡቕ ኣካይዳ ይኸይድ፤</verse>
				<verse number="30">ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥</verse>
				<verse number="31">ኣብ ማእኸል ኣንስትዮ፥ ብድፍረት ዝኸይድ ኣውራ ደርሆ፥ ንመጓሰ ዝመርሕ ኣውራ ጤል፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግልፂ ዝናገር ንጉስ እዮም።</verse>
				<verse number="32">“ርእስኻ ልዕል ልዕል ኣቢልካ ስንፍና እንተ ገበርካ፥ ወይ ክፉእ ክትገብር እንተ ሓሰብካ፥ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።</verse>
				<verse number="33">ፀባ እንተ ተሓቘነ፥ ጠስሚ የውፅእ፤ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዐ፥ ደም የውፅእ፤ ከምኡ ኸዓ ቝጥዓ እንተ ኣለዓዓልካ፥ ባእሲ ይፍጠር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">እኖኡ ዝመሃረቶ ናይ ማሳ ንጉስ ናይ ልሙኤል ቃል፦</verse>
				<verse number="2">“ኦ ወደይ፥ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፥ ኦ ፍረ ማህፀነይ እንታይ እዩ? ኣታ ውሉድ መብፅዓይ፥ እንታይ እሞ ኽብለካ እየ?</verse>
				<verse number="3">ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይተጥፍእ፤ መንገድኻውን ነገስታት ንዘጥፍኡ ኣይትሃብ።”</verse>
				<verse number="4">“ልሙኤል ስማዕ! ነገስታት ወይኒ ኽሰትዩ፥ መሳፍንቲ ‘ዘስክር መስተ ኽብህጉ?’ ኣይግባእን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፥ መሰል ናይቶም ግፉዓት ከይግሕሱስ፥ መስተ ንነገስታት ግቡእ ኣይኮነን።”</verse>
				<verse number="6">“ብርቱዕ መስተ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፥ ወይኒ ኸዓ ነቶም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባት እዩ ዝግባእ።</verse>
				<verse number="7">ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፤ መከራኦም ከዓ ኣይዘክሩ።</verse>
				<verse number="8">ክንዲ በሃምን፥ ክንዲ ደኽታምን ኣፍካ ኽፈት።</verse>
				<verse number="9">ኣፍኻ ኽፈት ብሓቅውን ፍረድ፤ ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።”</verse>
				<verse number="10">ለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ።</verse>
				<verse number="11">ልቢ ሰብኣያ ይእመና፤ ምርኮውን ኣይጐድሎን።</verse>
				<verse number="12">ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ ትገብረሉ እምበር ክፉእ ኣይትገብርን።</verse>
				<verse number="13">ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ትደሊ፤ ተሓጒሳ ኸዓ በእዳዋ ትሰርሕ።</verse>
				<verse number="14">ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፤ ካብ ርሑቕ ሃገር ቀለባ ተምፅእ።</verse>
				<verse number="15">ገና ለይቲ እንተሎ፥ ትትስእ እሞ፥ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፥ ነግራዳ ኸዓ ሰስርሐን ተትሕዘን።</verse>
				<verse number="16">ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፤ ብፍረ ኣእዳዋ ገይራ ኸዓ ትተክል።</verse>
				<verse number="17">ሕቘኣ ኣበርቲዓ ትቕነት፤ ቅልፅማውን ተበርትዕ።</verse>
				<verse number="18">ኵሉ ንግዳ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ትርኢ፤ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።</verse>
				<verse number="19">ኣእዳዋ ናብ መፍተል ትዝርግሕ፤ ኣፃብዕታ መፍተል ይሕዛ።</verse>
				<verse number="20">ኣእዳዋ ናብ ድኻ ትዝርግሕ፤ ናብ ፅጉማትውን ኣእዳዋ ትሰድድ።</verse>
				<verse number="21">ንዅሎም ስድራኣ ኻብ ቍሪ በረድ ዝተልዓለ ኣይትፈርሕን፤ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም፤ ስለዙይ ኣስሓይታ ኽወርድ እንተሎ ኣይትፈርሕን።</verse>
				<verse number="22">ንባዕላ ምንፃፋት ግብረ መርፍእን ስጋጃን ትሰርሕ፤ ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን።</verse>
				<verse number="23">ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።</verse>
				<verse number="24">ፅቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፤ ንነጋዶውን ቅናት ተቕርበሎም።</verse>
				<verse number="25">ሓይልን ክብረትን ክዳና እዩ፤ ነቲ ዳሕረዋይ ዘመን ከዓ ትስሕቖ።</verse>
				<verse number="26">ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፤ ትምህርቲ ሕጊ ርህራሄውን ኣብ መልሓሳ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ኩነታት ቤተሰባ ብትግሃት ትከታተል፤ እንጀራ ትህኺትውን ኣይትበልዕን።</verse>
				<verse number="28">ደቃ ተሲኦም ብርኽቲ ኢኺ ይብልዋ፤ ሰብኣያ ድማ ኸምዙይ ኢሉ የመስግና፦</verse>
				<verse number="29">“ፅቡቕ ዝገበራ ብዙሓት ኣንስቲ ኣለዋ፤ ካብ ኵላተን ግና ንስኺ ትበልፂ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="30">ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።</verse>
				<verse number="31">ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፤ ኣብ ደገታትውን ተግባራ ይንኣዳ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="21">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሱ ናይ ዝነበረ ሰባኺ ወዲ ዳዊት ቃል እዩ።</verse>
				<verse number="2">“እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፅዕረሉ ኵሉ ፃዕሪ ረብሓኡ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ትውልዲ ይኸይድ፤ ትውልዲ ኸዓ ይመፅእ፤ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።</verse>
				<verse number="5">ፀሓይ ትበርቕ፤ ፀሓይ ተዓርብ። ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ።</verse>
				<verse number="6">ንፋስ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ይነፍስ፤ ዘይሩ ኸዓ ንሰሜን ኣቢሉ ይነፍስ። ዘይሩ ዘይሩ ኸዓ መሊሱ ኽጅምር ናብ ቦታኡ ይምለስ።</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ኣፍላግ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፤ ባሕሪ ግና ኣይመልእን፤ መሊሱ ኽጅምር ከዓ እቲ ማይ ናብቲ ምውሓዝ ዝጀመረሉ ኣፍላግ ይምለስ።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ ነገር መድከሚ እዩ፤ ሰብ ብቓል ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትፀግብን፤ እዝንውን ብምስማዕ ኣይትመልእን።</verse>
				<verse number="9">እቲ ዝኾነ ነገር፥ ንሱ መሊሱ ይኸውን፤ እቲ ቕድም ዝተገብረ ኸዓ ሕዚ መሊሱ ይግበር። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ሓድሽ ነገር የለን።</verse>
				<verse number="10">ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ሰባኺ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።</verse>
				<verse number="15">ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ብልበይ “እንሆ፥ ሕልፊ እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ጥበብ ኣብዚሐ ወሰኽኩ። ልበይውን ብዙሕ ጥበብን ፍልጠትን ተመልከተ” ኢለ ሓሰብኩ።</verse>
				<verse number="17">ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።</verse>
				<verse number="18">ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ትካዘ ኣሎ፤ ፍልጠት ዝውስኽ ድማ ሓዘን ይውስኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣነ ብልበይ “ነዓ ብደስታ ኽፍትነካ እየ፤ ሰናይ ዝኾነ ኸዓ ጠዓም” በልኩ። ግና እንሆ እዙይውን ከንቱ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሰሓቕ ዕቡድ ኢኻ በልክዎ፤ ንደስታ ኸዓ እንታይ ትጠቅም በልክዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።</verse>
				<verse number="4">ዓበይቲ ስራሕቲ ሰራሕኹ፤ ኣባይቲውን ሰራሕኹ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸልኩ።</verse>
				<verse number="5">ኣታኽልትን ገነትን ንኣይ ገበርኩ፤ በብዓይነቱ ፍረታት ዝፈሪ ኣእዋም ከዓ ኣብ ውሽጦም ተኸልኩ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ኣብ ዱር ዝተተኸሉ ኣእዋም ምእንቲ ኸስትየሉ ዒላ ገበርኩ።</verse>
				<verse number="7">ኣወዳትን ኣጓላትን ባሮት ዓደግኩ፤ ኣብ ቤተይ ዝተወለዱ ባሮትውን ነበሩኒ፤ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ዝበዝሓ ኸብትን ጠለ በጊዕን ድማ ነበራኒ።</verse>
				<verse number="8">ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ዝደርፉለይ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩኒ፤ ንሰብ ደስ ከብላኦ ዝኽእላ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኣከብኩ።</verse>
				<verse number="9">በዝ ኸምዙይ ከዓ ሕልፊ ዅሎም እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዝዓበኹ ኾንኩ፤ ጥበበይውን ምሳይ ፀንዐት።</verse>
				<verse number="10">ነዒንተይ ኵሉ ዝበሃጋኦ ኣይከልከልኩወንን፤ ልበይ ብዅሉ ድኻመይ ይሕጐስ ነበረሞ ንልበይ ካብ ሓጐስ ኣየርሓቕኩዎን፤ ዓስቢ ዅሉ እቲ ፃዕረይ ከዓ እዙይ ኮነ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪ ንጉስ ዝመፅእ ሰብ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝገበርዎ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይገብር? ስለዙይ ኣነውን ጥበብን ዕብዳንን ዕሽነትን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከስተንትን ጀመርኩ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ፀልማት ዝበልፅ፥ ጥበብ ካብ ድንቍርና ኸም እትበልፅ ረአኹ።</verse>
				<verse number="14">ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ።</verse>
				<verse number="15">ኣነውን ብልበይ “ንምንታይ የመና ጠቢብ ኮንኩ? ኸምቲ ንዓሻ ዝበፅሖ ንኣይውን ክበፅሐኒ እዩ” ኢለ ሓሰብኩ። ሽዑ ብልበይ “እዙይውን ከንቱ እዩ” በልኩ።</verse>
				<verse number="16">በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!</verse>
				<verse number="17">ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝደኸምኩሉ ዅሉ ስራሕ ፀላእኽዎ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ለባም ክኸውን ወይ ዓሻ፥ መን ይፈልጥ? ምስ ናይ እዙይ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ጥበበኛ ኮይነ ዝፀዓርኩሉ ዅሉ ስራሐይ ንሱ እዩ ዝጕይተተሉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓርኩሉ ፃዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቝረፅኩዎ።</verse>
				<verse number="21">እንሆ፥ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝፀዓረ ሰብ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዘውርሶሞ፥ እዙይውን ከንቱን ዓብዪ ወፅዓን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓሮን ዝደኸሞን እንታይ እዩ ረብሓኡ?</verse>
				<verse number="23">ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።</verse>
				<verse number="25">ብዘይ ናቱ ፍቓድ ዝበልዐ፥ ተሓጒሱውን ንምቾት ዝጠዓመ መን እዩ?</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ንዅሉ ጊዜ ኣለዎ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ኸዓ ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="2">ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሙማትውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምትካል ጊዜ ኣለዎ፤ ንዝተተኽለ ንምንቃልውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="3">ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="4">ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="5">እምኒ ንምድርባይ ጊዜ ኣለዎ፤ እምኒ ንምእካብውን ጊዜ ኣለዎ። ንምትሕቝቛፍ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍልላይውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="6">ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="7">ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስፋይ ጊዜ ኣለዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምዝራብ ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="8">ንምፍታው ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፅላእ ጊዜ ኣለዎ። ንውግእ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰላምውን ጊዜ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="9">ንዝሰርሕ ሰብ ዓስቢ ድኻሙ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ።</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ፥ ሰብ ብህይወት እንተሎ፥ ካብ ምሕጓስን ሰናይ ካብ ምግባርን ዝሐይሽ ሰናይ ነገር ከም ዘየለ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ኵሉ ሰብ ኽበልዕን ክሰትን፥ ብዅሉ ፍረ ፃዕሩ ኽሕጐስን እዙይውን ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እፈልጥ እየ፤ ክውሰኾ ኾነ ኽንከዮ ኣይከኣልን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽፈርሑ ኸምዙይ ገበሮ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሕዚ ዘሎ ቕድም ዝነበረ እዩ፤ እቲ ዝኸውን ዘሎውን ቀደም ዝኾነ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓለፈ መመሊሱ ክኸውን ይደልዮ።</verse>
				<verse number="16">ኣነውን ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክንዲ ፍትሒ ኽፍኣት፥ ክንዲ ፅድቅውን ክፍኣት ከም ዘሎ ረአኹ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ።</verse>
				<verse number="18">ኣነውን ብልበይ “ደቂ ሰባት ከም እንስሳ ምዃኖም ምእንቲ ኽሪኡ እግዚኣብሄር ይፍትኖም እዩ” በልኩ።</verse>
				<verse number="19">ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ናብ ሓደ ስፍራ ይኸይድ፤ ኵሎም ካብ መሬት እዮም ተፈጢሮም፤ ናብ መሬት ከዓ ይምለሱ።</verse>
				<verse number="21">ነፍሲ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፥ ነፍሲ እንስሳ ኸዓ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ ዝፈልጥ መን እዩ?</verse>
				<verse number="22">ዕድሉ እዙይ እዩ እሞ፥ ሰብ ብፍረ ፃዕሩ እንትርፊ ምሕጓስ ካልእ ዝሐሸ ኸም ዘየለ ኣስተውዓልኩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ምእንቲ ኽርኢ ኸምፅኦ ዝኽእል መን ኣሎ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።”</verse>
				<verse number="3">ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="4">ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።</verse>
				<verse number="5">ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ።</verse>
				<verse number="6">ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="7">ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ።</verse>
				<verse number="8">ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="10">ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።</verse>
				<verse number="11">ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?</verse>
				<verse number="12">እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="14">እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል።</verse>
				<verse number="15">ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="2">ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ።</verse>
				<verse number="5">ንዘይትፍፅሞ ኻብ ምምብፃዕ ዘይምምብፃዕ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="6">ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?</verse>
				<verse number="7">ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።</verse>
				<verse number="8">ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።</verse>
				<verse number="9">ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?</verse>
				<verse number="12">እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እዝ ሃብቲ እዙይ ብድንገት ይጠፍእ፤ ውሉድ እንተ ወለደ ኸዓ፥ እቲ ወዱ ጥራሕ ኢዱ ይተርፍ።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ኻብ ማህፀን ወላዲቱ ጥራሑ ዝውለድ፥ ከምኡ ኸዓ ኸም ዝመፆ ይምለስ፤ ካብቲ ዝፀዓረሉውን ሓንቲ እኳ ብኢዱ ኣይማላእን።</verse>
				<verse number="16">እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ዘመኑ ዘሕልፎ ብጓህን ብፀልማትን ብሓዘንን፥ ብመከራን ብሕማምን ብዅራን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሃቦ “መዋእል ህይወተይ ሓፀርቲ እየን” ኢሉ ኣይሓስብን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፉእ ነገር ኣሎ፤ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰብ የመና ዝኸበደ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ብኸንቱ ይመፅእ፤ ብፀልማትውን ይኸይድ እዩሞ ስሙ ብፀልማት ይኽወል።</verse>
				<verse number="5">ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="6">ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ድኻም ሰብ ንኣፉ እዩ፤ ነፍሱ ግና ኣይትፀግብን።</verse>
				<verse number="8">ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="9">ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝኾነ ዅሉ ኣቐዲሙ ስም ወፂኡሉ እዩ፤ ሰብ ከም ዝኾነውን ተፈለጠ፤ ምስቲ ኻብኡ ዝበርትዐ ኽፋረድ ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="11">ንኸንቱ ዘብዝሐ ብዙሕ ነገር ኣሎሞ፥ እዙይ ንሰብ እንታይ ይጠቅም?</verse>
				<verse number="12">ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ገፅ እንተ ሓዘነ፥ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ ኻብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="4">ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ።</verse>
				<verse number="6">ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ።</verse>
				<verse number="8">ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="9">ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።</verse>
				<verse number="10">“ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።</verse>
				<verse number="11">ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ።</verse>
				<verse number="12">ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?</verse>
				<verse number="14">ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ።</verse>
				<verse number="15">ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ።</verse>
				<verse number="16">እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ?</verse>
				<verse number="17">እምብዛ ኽፉእ ኣይትኹን፤ ህልኸኛውን ኣይትኹን፤ ንምንታይ ጊዜኻ እንተይበፅሐ እትመውት?</verse>
				<verse number="18">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።</verse>
				<verse number="20">ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።</verse>
				<verse number="21">ንስኻ ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ባርያኻ ኽረግመካ እንተሎ ምእንቲ ኸይትሰምዕ፥ ንዅሉ ዝዛረብዎ ቓል ብልብኻ ኣይተቕልበሉ።</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት።</verse>
				<verse number="24">ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል?</verse>
				<verse number="25">ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሰባኺ ኸምዙይ ይብል፦ ናብቲ መወዳእታ ኽበፅሕ በብሓደ እናመርመርኩ፥ እንሆ፥ እዙይ ረኸብኩ፦</verse>
				<verse number="28">ነፍሰይ ገና ዘይረኸበቶ ኣሎ፤ ካብ ሽሕ ሰብ ሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ረኸብኩ፤ ካብ ኵሎም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ከም ጥበበኛ ዝኾነ ሰብ መን እዩ? ምትርጓም ነገራት ዝፈልጥከ መን እዩ? ጥበብ ንሰብ ገፁ ተብርሆ፤ ንድፍረት ገፁ ኸዓ ትልውጦ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ዝደለዮ እዩ ዝገብር እሞ፥ ካብ ቅድሚ ንጉስ ንምርሓቕ ኣይትህፀፅ፤ ኣብ ክፉእ ነገርውን ኣይትፅናዕ።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="5">ትእዛዝ ዝሕሉ ኽፉእ ነገር ኣይበፅሖን፤ ልቢ ጥበበኛ ኸዓ ንጊዜን ኣካይዳን ይፈልጦ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ናይ ሰብ መከራ ብእኡ ኸቢድ ስለ ዝኾነ፥ ንዅሉ ነገር ጊዜን ኣካይዳን ኣለዎ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን እዩ። ከመይ ከም ዝኸውንከ ዝነግሮ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">መንፈስ ንምትራፍ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የለን፤ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞቱውን ስልጣን የብሉን። ኣብ ጊዜ ውግእ ከዓ ምስንባት የለን፤ ክፍኣት ድማ ነቲ ሰራሒኡ ኣየድሕኖን።</verse>
				<verse number="9">እዝ ዅሉ ረአኹ፤ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ኸዓ ልበይ ኣቕናዕኹ፤ ሰብ ንሰብ ክጐድእ ገዛኢ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="13">ሓጥእ ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሕን እዩ እሞ፥ ሰናይ ኣይኾነሉን፤ ንመዓልትታቱውን ከም ፅላሎት ገይሩ ኣየንውሕን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ምድሪ ዝግበር ከንቱ ነገር ኣሎ፦ ንግብሪ ፃድቃን ዝግባእ ስራሕ ዝበፅሖም ሓጥኣን ኣለዉ፤ ንግብሪ ሓጥኣን ዝግባእ ድማ ዝበፅሖም ፃድቃን ኣለዉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ በልኩ።</verse>
				<verse number="15">ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ።</verse>
				<verse number="16">ንጥበብ ክፈልጣ፥ ኣብ ምድሪ ዝግበር ፃዕሪውን ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕኹ፥ ለይትን መዓልትን ነዒንቶም ሰለምታ ዘይረኽቡ ሰባት ከም ዘለዉ ኣስተብሃልኩ።</verse>
				<verse number="17">ሰብ ክምርምሮ ኢሉ እንተ ፀዓረ፥ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፥ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ክፈልጦ ኸም ዘይኽእል፥ ነዝ ግብሪ እግዚኣብሄር እዙይ ረአኹ። ጥበበኛውን ዝፈልጦ እንተ መሰሎ፥ ክረኽቦ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ምስ ኵሎም ህያዋን ብሓባር ዘሎ፥ ተስፋ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="5">ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።</verse>
				<verse number="6">ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።</verse>
				<verse number="7">ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ።</verse>
				<verse number="8">ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ።</verse>
				<verse number="9">ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር።</verse>
				<verse number="10">ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።</verse>
				<verse number="12">ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ።</verse>
				<verse number="13">ጥበብ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ነዝ ጥበብ እዙይ ረአኹ፤ ንሳ ኸዓ ንዓይ ዓባይ ኮይና ተርኣየትኒ።</verse>
				<verse number="14">ውሑድ ዝህዝባ ንእሽተይ ከተማ ነበረት። ሓያል ንጉስ መፂኡ ድማ ኸበባ፤ ኣብ ዙርያኣውን ዕርድታት ሰርሐ።</verse>
				<verse number="15">ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኣነ “ካብ ሓይልስ ጥበብ ትበልፅ፤ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፤ ቃሉውን ኣይትስማዕን” በልኩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።</verse>
				<verse number="2">ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፥ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ፀጋሙ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ።</verse>
				<verse number="4">ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="7">ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ።</verse>
				<verse number="8">ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።</verse>
				<verse number="9">ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ።</verse>
				<verse number="10">ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ።</verse>
				<verse number="11">ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።</verse>
				<verse number="12">ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።</verse>
				<verse number="13">መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ።</verse>
				<verse number="14">ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ?</verse>
				<verse number="15">ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ።</verse>
				<verse number="16">ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ!</verse>
				<verse number="17">ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ።</verse>
				<verse number="18">ብሰንኪ ትህኺት፥ ናሕሲ ይንህል፤ ብሰንኪ ህኩያት ኣእዳው ከዓ ቤት የንጥብ።</verse>
				<verse number="19">ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።</verse>
				<verse number="20">ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርቢ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክትረኽቦ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝመፅእ መከራ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ንገንዘብካ ኣብ ሸውዓተ ወይ ኣብ ሸሞንተ ቦታ መቓቒልካ ኣቐምጥ።</verse>
				<verse number="3">ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር።</verse>
				<verse number="4">ንፋስ ዝፅበ ሰብ ኣይዘርእን፤ ንደመና ዝምልከትውን ኣይዓፅድን።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል።</verse>
				<verse number="7">ብርሃን ጥዑም እዩ፤ ኣዒንቲ ንፀሓይ ክጥምታኣ እንተለዋ ኸዓ ደስ ይብለን።</verse>
				<verse number="8">ሰብ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ ብዅላተን ይተሓጐስ፤ ይኹን እምበር ዘመን ፀልማት ከም ዝበዝሕ ይዘክር። ኵሉ እቲ ዝመፅእ ነገር ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣታ ጐበዝ፥ ኣብ ጊዜ ጕብዝናኻ ደስ ይበልካ፤ በዘን መዋእል ጕብዝናኻ ልብኻ ይተሓጐስ፤ እትደልዮ ግበር፤ ልብኻ ብዝብህጎ መንገድን፥ ኣዒንትኻ ብዝጥምታኦን ተመላለስ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ እዙይ፥ ናብ ፍርዲ ኸም ዘቕርበካ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="10">ንእስነትን ጕብዝናን ቀልጢፉ ይሓልፍ እዩ እሞ፥ ጓሂ ኻብ ልብኻ፥ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።</verse>
				<verse number="2">ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥</verse>
				<verse number="3">በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥</verse>
				<verse number="4">ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥</verse>
				<verse number="6">ሓብሊ ብሩር እንተይተበትከ፥ ፍዮ ወርቂ እንተይተሰበረ፥ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ እንተይተሰበረ፥ መንኰራዅር ኣብ ዒላ እንተይተሰባበረ፥</verse>
				<verse number="7">ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።</verse>
				<verse number="9">ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሰባኺ ዘሐጕስ ቃላት ክረክብ ደለየ፤ እቲ ዝፀሓፎ ኸዓ ቕኑዕን ቃል ሓቅን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="13">መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="22">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ።</verse>
				<verse number="2">ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፥ ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።</verse>
				<verse number="3">ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።</verse>
				<verse number="4">ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤ ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤ ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤ ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።</verse>
				<verse number="5">ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ፀላም እየ፤ ግና ፅብቕቲ እየ፤ ከም ድንኳናት ቄዳር፥ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ።</verse>
				<verse number="6">ፀሓይ መልክዐይ ኣፀሊማትኒ እያሞ፥ ፀላም ብምዃነይ ኣይትጠምታኒ፤ ደቂ እኖይ ፀልኡኒ፤ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ገበሩኒ፤ ናይ ባዕለይ ኣትክልቲ ወይኒ ግና ኣይሓለኹን።</verse>
				<verse number="7">ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፥ እስኪ ንገረኒ፤ ንመጓሰኻ ኣበይ ተውፍረን? ቀትርኸ ኣበይ ኢኻ እተዕርፈን? ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል?</verse>
				<verse number="8">ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥ ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤ መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።</verse>
				<verse number="9">ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኣብ ሰረገላታት ፈርዖን፥ ከም ዘሎ ፈረስ መሰልኩኺ።</verse>
				<verse number="10">ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥ ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።</verse>
				<verse number="12">ንጉስ ኣብ ማእዱ እንተሎ፥ ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤</verse>
				<verse number="13">ፍቱወይ ንኣይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ከም ዝዓርፍ፥ ከም እተቛፀረ ኸርበ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ፍቱወይ ንኣይ፥ ከምቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዓይን ጋዲ ዘሎ፥ ከም ሕቝፊ ዕምበባ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።</verse>
				<verse number="16">ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሰረገላ ቤትና ኦም ዝግባ እዩ፤ መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።</verse>
				<verse number="2">እታ ፍቕርተይ ኣብ ማእኸል ቈናጁ ኣጓላት እያ፤ ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤</verse>
				<verse number="4">ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥ ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤ ብምልዖ ኣበርትዑኒ።</verse>
				<verse number="6">ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ፤ የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ።</verse>
				<verse number="7">ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ባዕሉ ኽሳዕ ዝደሊ፥ ንፍቑረይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን፥ ብዓጋዜንን ብዋልያ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ድምፂ ፍቱወይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት እናዘለለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት እናተናጠረ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤ እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥ ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤ ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ክረምቲ ሓሊፉ፥ ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ።</verse>
				<verse number="12">ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤ ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤ ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="13">ፍረ በለስ ጐጕቡ፥ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤ ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።</verse>
				<verse number="14">ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥ ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።</verse>
				<verse number="15">ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥ ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥ ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።</verse>
				<verse number="16">ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤ ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።</verse>
				<verse number="17">መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር፥ ፅላሎት ድማ ኽሳዕ ዝሃድምስ፥ ኣታ ፍቱወይ ተመለስ፤ ከምተን ኣብ እምባታት ዘለዋ ሜዳቛት፥ ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ለይቲ ኣብ ዓራተይ ኮይነ፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደለኽዎ፤ ግና ኣይረኸብክዎን።</verse>
				<verse number="2">ተሲአ ናብ ከተማ ክኸይድ፤ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፤ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸዓ ኽደልዮ እየ፤ ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ከተማ ዝዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ፤ “ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?” ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም።</verse>
				<verse number="4">ቁሩብ ምስ ሓለፍክዎም፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፤ ሓዝክዎ፤ ናብ ቤት እኖይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን፥ ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሰደድክዎን።</verse>
				<verse number="5">ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንሱ ኽሳዕ ዝደሊ፥ ንፍቱወይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን ብሜዳቝን ብእራብ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">እዛ፥ ዓምዲ ትኪ መሲላ፥ ከርበን ዕጣንን ነጋዶ ዝሸጥዎ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትምዕዝ፥ እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ?</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ዓራት ሰሎሞን፤ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጀጋኑ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ክኢላታት ውግእ እዮም፤ ብለይቲ ሓደጋ ኽከላኸሉ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ሰሰይፎም ዕጡቓት እዮም።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ሰሎሞን ንመሰከሚ ዓራቱ፥ ብኦም ሊባኖስ ንባዕሉ ኣስርሐ።</verse>
				<verse number="10">ዓምዱ ብብሩር፥ መደገፊኡ ብወርቂ፥ መቐመጢኡ ድማ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ፤ ውሽጡ ኸዓ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኣትን ኣዋልድ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐሱን እኖኡ ዝደፍአትሉ ኣኽሊል ገይሩ ኽትሪኣ ውፃ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ወፂአን ከም ዝተቐረፃ፥ ኵለን መማንታ ኸም ዝወልዳ፥ ካብኣተን ከዓ መኻን ከም ዘይብለን መጓሰ እየን።</verse>
				<verse number="3">ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እየን፤ ኣፍኪ ድማ ፅቡቕ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ መታልሕኺ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ክሳድኪ ኸም ንመቐመጢ ኣፅዋር ብፅቡቕ ዝተሰርሐ፥ ከም ግንቢ ዳዊት እዩ፤ ሽሕ ዋልታ ኣፅዋር ጀጋኑ፥ ተንጠልጢልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ ከም ዝወፈራ፥ ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።</verse>
				<verse number="6">መዓልቲ ኽሳዕ ዝደግስ፥ ፅላሎት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣነ ናብ እምባ ኸርበን፥ ናብ ኰረብታ ዕጣንን ክድይብ እየ።</verse>
				<verse number="7">ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።</verse>
				<verse number="8">ኣቲ መርዓተይ፥ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ርእሲ እምባ ኣርሞንዔም፥ ካብ ርእሲ እምባ ሳኔርን ኤርሞንን፥ ካብ መሕደሪ ኣናብስን፥ ካብ እምባ ነብርታትን ተመልከቲ።</verse>
				<verse number="9">ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ልበይ ብሓጐስ ማረኽክዮ፤ ብቘላሕታኽን ብድሪ ኽሳድክን ንልበይ ማረኽክዮ።</verse>
				<verse number="10">ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!</verse>
				<verse number="11">መርዓተይ፥ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ መዓርን ፀባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፤ መዓዛ ኽዳውንትኽውን ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ዝተሓፀረ ገነት፥ ዕፅውቲ ዒላ፥ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።</verse>
				<verse number="13">በቝልኺ ሮማንን፥ ምሩፅ ፍረን፥ ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ።</verse>
				<verse number="14">ናርዶስ ሳፍራንን፥ ምዑዝ ሳዕርን ቅርፍትን፥ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፥ ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉፅ ቀመማትን ዘለዋ እያ።</verse>
				<verse number="15">ንስኺ ኣታኽልቲ ኸም እተስቲ ዓይኒ ማይ፥ ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ።</verse>
				<verse number="16">ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤ ንፋስ ደቡብውን ነዓ፤ ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፤ ሽቱውን ይፍሰስ፤ ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤ ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ናብ ገነተይ ኣትየ፥ ከርበይን ምዑዝ ቀመማተይን እእክብ ኣለኹ። ሕብስተይ ምስ መዓረይ፥ ወይነይ ድማ ምስ ፀባይ ሰተኹ። ኣቱም ኣዕርኽተይ፥ ብልዑ፤ ስተዩ፤ ኣቱም ፍቑራት፥ ክሳዕ እትረውዩ ኣብዚሕኹም ስተዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ደቂሰ እየ፤ ልበይ ግና ነቒሑ እዩ፤ ድምፂ ፍቱወይ እዩ፤ ንሱውን ማዕፆ ይዅሕዅሕ ኣሎ። “እቲ ርእሰይ ጠሊ፥ ጐተናይ ከዓ፥ ኣውሊ ለይቲ ጠልቅዩ እዩ እሞ፥ ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።”</verse>
				<verse number="3">ቀሚሸይ ኣውፂአ እየ፤ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? እግረይ ተሓፂበ እየ፤ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?</verse>
				<verse number="4">ፍቱወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፤ ውሽጠይ ብእኡ ተሃወኸ።</verse>
				<verse number="5">ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተሳእኹ፤ ኣእዳወይ ከርበ፥ ኣፃብዕተይ ድማ፥ ፈሳሲ ኸርበ ኣብቲ መሸጐሪ ማዕፆ ኣንጠብጠቡ።</verse>
				<verse number="6">ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፤ ፍቱወይ ግና ድሮ ድሕር ኢሉ ነበረ፤ ክዛረበኒ እንተሎ ነፍሰይ ደንገፀት፤ ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን፤ ፀዋዕክዎ ግና ኣይመለሰለይን።</verse>
				<verse number="7">ነታ ኸተማ እናዞሩ ዝሕልዉ ረኸቡኒ፤ ወቕዑኒ፤ ኣቝሰሉኒውን፤ ሓለውቲ ቐፅሪ ድማ መጐልበብየይ ገፈፉኒ።</verse>
				<verse number="8">ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ፥ ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ እዝ ፈታዊኺ ኻብ ካልኦት ፈተውቲ ዝበልፅ መን እዩ? ከምዙይ ጌርኪ እተምሕልናስ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዝበልፅ መን እዩ?</verse>
				<verse number="10">ፍቱወይስ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ዝተመርፀ፥ ወዛምን ምልኩዕን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ርእሱ ፅሩይ ወርቂ እዩ፤ ፀጕሩ ለማፅ፥ ከም ኳዅ ኸዓ ፀሊም እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ፥ ብፀባ ኸም ዝተሓፅባ፥ ኣብ ጥቓ ፈሳሲ ማይ፥ ከም ዝተቐመጣ ርግቢታት እየን።</verse>
				<verse number="13">ምዕጕርታቱ ኸም መደብ ኣታኽልቲ ሽቱ እየን፤ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ ዕምበባ እየን።</verse>
				<verse number="14">ኣእዳዉ ብዕንቊ ተርሴስ ዝተሰንቀራ፥ ወርቂ ቐለበት እየን፤ ደረቱ ብሰንፔር ዝተሸለመ፥ ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣእጋሩ ኣብ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰረታ፥ ከም ኣዕማድ እምነ በረድ ይመስላ፤ መልክዑ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ፈታዊኺ ናበይ እዩ ኸይዱ? ምሳኺ ሓቢርና ኽንደልዮስ፥ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?</verse>
				<verse number="2">ፍቱወይ ክጓስን ዕምበባታት ክእክብን፥ ናብ ገነቱ፥ ናብቲ ሽቱ ዝበቝለሉ ኽፍሊ እዩ ወሪዱ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ፍቱወይ ከዓ ናተይ እዩ፤ ንሱ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት፥ መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣቲ ፍቕርተይ፥ ከም ከተማ ቴርሳ ፅብቕቲ፥ ከም ከተማ ኢየሩሳሌም ባህ እተብሊ ኢኺ፤ ሰንደቕ ዕላማ ኸም ዝሓዘ ሰራዊት፥ እተፍርሒ ኢኺ።</verse>
				<verse number="5">ኣዒንትኺ ኣፍሪሐናኒ እየንሞ ኻባይ መልሲ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኻብ እምባ ገለዓድ ከም ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ከም ዝወፃ መኻን ዘይብለን ኵለን ማንታ ማንታ ዝወልዳ መጓሰ ኣባጊዕ እየን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ ምዕጕርታትኪ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ስሳ ንግስትታት፥ ሰማንያ ዕቁባት፥ ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="9">ግና ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ሓንቲ እያ፤ ንሳ ንኖኣ ሓንቲ እያ፤ ንወላዲታውን ምርፅቲ እያ፤ ኣዋልድ ሪአን “ኣሞገሳኣ፤” ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ፥</verse>
				<verse number="10">እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥ ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥ ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?</verse>
				<verse number="11">ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፥ ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ዓምቢቡ እንተ ኾይኑ ኽርኢ፥ ናብ ኣታኽልቲ ለውዝ ወረድኩ።</verse>
				<verse number="12">እንተይፈለጥኩ፥ ነፍሰይ ኣብ ክቡር ሰረገላ ኣቐመጠትኒ።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ሱላማጢስ ተመለሲ፤ ተመለሲ፤ ምእንቲ ኽንርእየኪ ተመለሲ፤ ተመለሲ። ብሱላማጢስ እንታይ ትሪኡ ኣለኹም? ንሳ ኸም ደርፊ ማሃናይም እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ኣቲ ጓል መስፍን፥ ሳእኒ ዝገበራ፥ ኣእጋርኪ ኽንደይ ይፅብቓ! ቅርፂ ደናጕኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል።</verse>
				<verse number="2">ሕምብርትኺ ብሉፅ ወይኒ ኸም ዘይጐድሎ፥ ከቢብ ፅዋዕ እዩ፤ ከርስኺ ብዕምበባ ኸም እተኸበበ፥ ምህርቲ ስርናይ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ከም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን፤</verse>
				<verse number="4">ክሳድኪ ብስኒ ሓርማዝ ከም ዝተሰርሐ ግንቢ እዩ፤ ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባትራቢ ዘሎ፥ ሓፅብታት ሄስቦን እየን፤ ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገፁ ዝርኢ፥ ግንቢ ሊባኖስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።</verse>
				<verse number="6">ኣቲ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ትፅብቒ! ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን!</verse>
				<verse number="7">ቁመትኪ ኸም ኦም ስየ እዩ፤ ኣጥባትኪ ኸዓ ኸም ዘለላ ፍረ ተምሪ ይመስላ።</verse>
				<verse number="8">ኣነውን “ናብቲ ኦም ስየ ደዪበ ጨንፈሩ ኽሕዝ እየ” በልኩ፤ ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፥ መዓዛ እስትንፋስኪውን ከም ትርንጒ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ከናፍርኪ ኸዓ ኸም ብሉፅ ወይኒ ይጥዕም፤ ጐሮሮኺ፥ ንፈታዊ እናጠዓመ ኸም ዝወርድ፥ ነተን ዝደቀሳ ኸናፍር ክናገራ ዝገብር፥ ከም ጥዑም ወይኒ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣታ ፍቱወይ፥ ንዓናይ ናብ በረኻ ንውፃእ፤ ኣብቲ ቑሸታትውን ንሕደር።</verse>
				<verse number="12">ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ዕምበባ ኸዓ ኸፊቱ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ፈርዩ እንተ ኾይኑ ኽንርእስ፥ ናብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ፍቕረይ ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="13">ትርንጒታት፥ መዓዛ ሃቡ፤ ኣታ ፍቱወይ፥ ንኣኻ ኢለ ዝዓቘርክዎ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን፥ ደስ ዘብል ፍረታት ኣብ ደገታትና ኣሎ፤ ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ንስኻ ኣበይሞ ጡብ ወላዲተይ ከም ዝጠበወ፥ ከም ሓወይ እንተ እትኾነለይ! ኣብ ወፃኢ እንትረኽበካ ምሰዓምኩኻ ነይረ፤ ሓደ እኳ ኣይምነዓቐንን ነይሩ።</verse>
				<verse number="2">መሪሐ ናብ ቤት እኖይ መእተኹኻ፤ ኣብኡ ኸዓ ንስኻ ምመሃርካኒ፤ ኣነውን ካብ ዝተፀምቈ ጥዑም ወይነይን፥ ካብ ማይ ሮማነይን መስተኹኻ ነይረ።</verse>
				<verse number="3">ፀጋመይቲ ኢዱ ምተተርኣስኩ፤ የማነይቱ ኸዓ ምሓቘፈትኒ ነይራ።</verse>
				<verse number="4">ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ ክሳዕ ዝደሊ፥ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን ኣምሕለክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">እዛ፥ ፈታዊኣ ተደጊፋ፥ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ? ኣብ ትሕቲ ኦም ምልዖ ኣንቃሕኹኻ፤ ኣብኡ እኖኻ ንኣኻ ኽትሓርስ ተፅዓረት፤ ኣብኡ እኖኻ ወለደትካ።</verse>
				<verse number="6">ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤ ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤ ረስና ኸም ሓዊ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥ ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።</verse>
				<verse number="7">ንፍቕርስ ብዙሕ ማይ እኳ ኸጥፍኣ ኣይኽእልን፤ ወሓይዝውን ኣየስጥሙዋን፤ ሰብ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ፥ ኵሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዝህብ፥ ፈፂሞም ምነዓቕዎ።</verse>
				<verse number="8">ጡብ ዘይብላ ንእሽተይ ሓፍቲ ኣላትና፤ ብዛዕባኣ ዝናገሩላ መዓልቲ፥ ንሓፍትና እንታይ ንግበረላ?</verse>
				<verse number="9">ንሳ ቕፅሪ እንተ ኾነት፥ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ብሩር ክንሰርሐላ ኢና፥ ኣፍ ደገ እንተ ኾነት ከዓ፥ ብፅሩብ ፅሕዲ ኽንከባ ኢና።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ቕፅሪ እየ፤ ኣጥባተይ ከዓ ኸም ግንቢ እየን፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰላም ከም እትረክብ ኮንኩ።</verse>
				<verse number="11">ንሰሎሞን ኣብ ብኤላሞን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ፤ ነዝ ኣታኽልቲ ወይኒ እዙይ፥ ፍረኡ ንዝሕልዉ ብኽራይ ሃቦም፤ ኵሉ ሰብ ከዓ ኽንዲ ፍረኡ፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር የምፅአሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ናተይ ዝኾነ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እዩ፤ ኦ ሰሎሞን፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ንኣኻ፥ ክልተ ሚእቲ ድማ ፍረኡ ንዝሕልዉ ይኹን።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ኣብ ቦታ ኣታኽልትታት እትነብሪ ፍቕርተይ፥ እቶም ብፆተይ ንድምፅኺ የዳምፁ ኣለዉ እሞ፥ ድምፅኺ ኣስምዕኒ።</verse>
				<verse number="14">ኣታ ፍቱወይ፥ ቀልጥፍ፤ ኣብቲ ምዑዝ ቀመም ዝበቝሎ እምባታት፥ ከም ሜዳቝ ወይ ከም ወጠጦ ሰስሓ ምሰል።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="23">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ።</verse>
				<verse number="3">ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="5">ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን።</verse>
				<verse number="7">ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት።</verse>
				<verse number="8">ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት።</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ።</verse>
				<verse number="11">“ብዝሒ መስዋእትኹም ንኣይ እንታይ ይጠቕመኒ?” ይብል እግዚኣብሄር። “ዘቕረብኩምለይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዲበላታትን፥ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ ዝራብዕን ፀጊበ ኣለኹ። ደም ዝራብዓት ኮነ ደም ማጓሉ ወይ ደም ዲበላታት ኣየሕጕሰንን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ናባይ ክትመፁ፥ ቅፅሪ ቤተ መቕደሰይ ክትረግፁኸ መን ደለየኩም?</verse>
				<verse number="13">ከንቱ ዝኾነ መባእ ወሲኽኩም ኣይተምፅኡለይ። ዕጣንኩም ብኣይ ፅዩፍ እዩ፤ በዓላት ሰርቂ ወርሕኹምን ሰናብትኹምን ብኽፍኣት ዝተመልአ ኣኼባታትኩምን ክዕገሶ ኣይከኣልኩን። ክፍኣት እናገበርኩም እትገብርዎ ኣኼባታትውን፥</verse>
				<verse number="14">ንበዓላት ሰርቂ ኣዋርሕኹምን ንዓመታዊ በዓላትኩምን ነፍሰይ ፀሊኣቶ ኣላ፤ ሸኽሚ ኾይኑኒ ኣሎ፤ ክዕገሶውን ኣይከኣልኩን።</verse>
				<verse number="15">“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።</verse>
				<verse number="16">ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ።</verse>
				<verse number="17">ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።”</verse>
				<verse number="18">“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="19">እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="20">እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="21">እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።</verse>
				<verse number="22">ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ።</verse>
				<verse number="23">ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።</verse>
				<verse number="25">ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።</verse>
				<verse number="26">ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="27">ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ዓመፀኛታትን ሓጢኣተኛታትን ግና ብሓደ ኽስበሩ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዝሓድግዎ ድማ፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="29">ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">እቲ ሓያል ከም ልሕፂ እንጣጢዕ፥ ስራሑውን ከም ቍልዒ ሓዊ ክኾኑ እዮም፤ ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም፤ ንኣኣቶም ዘጥፍእውን ሓደ እኳ የለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ። ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥ ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።</verse>
				<verse number="5">እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።</verse>
				<verse number="6">ብናይ ምብራቕ ሰባት ክፉእ ኣመል ስለ ዝተመልኡ፥ ከም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ስለ ዝጠንቈሉ፥ ምስ ደቂ ጓናውን ስለ ዝተሓባበሩ፥ ንቤት ያእቆብ ህዝብኻ ሓደግካዮም።</verse>
				<verse number="7">ሃገሮም ብብሩርን ብወርቅን ዝመልአት እያ፤ ንሃብታቶም ድማ መወዳእታ የብሉን። ሃገሮም ከዓ ብኣፍራስ መሊኣ እያ፤ ብዝሒ ሰረገላታቶምውን ልክዕ የብሉን።</verse>
				<verse number="8">ሃገሮም ብጣዖታት ዝመልአት እያ፤ ነቲ በኣፃብዕቶም ዝሰርሕዎ ግብሪ ኣእዳዎም ይሰግዱ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።</verse>
				<verse number="11">ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="12">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="13">ንዅሉ ዓቢይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ንዅሉ ኣእዋም ባሳንን፥</verse>
				<verse number="14">ንዅሉ ነዋሕቲ እምባታትን ንዅሉ ልዕል ዝበለ ዀረብታን፥</verse>
				<verse number="15">ንዅሉ ነዊሕ ግምብን፥ ንዅሉ ፅኑዕ ቕፅርን፥</verse>
				<verse number="16">ንዅለን ነተን መራኽብ ተርሴስን ንዝመልክዑ ጣዖታትን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="17">ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።</verse>
				<verse number="20">በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።</verse>
				<verse number="22">በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንጅግና ንተዋጋኢ ንፈራዲ ንነቢይ ንጠንቋሊ ንሽማግለ፥</verse>
				<verse number="3">ንሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይን ንመማኸርን ንበዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛሚን ከወግዶም እዩ።</verse>
				<verse number="4">መራሕቶም ክኾኑ፥ ቈልዑ ኸልዕለሎም እየ፤ ህፃናት ከዓ ኽገዝእዎም እዮም።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ፥ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ኽደፋፋእ እዩ። ቈልዓ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት፥ ሕሱር ድማ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ክዕበ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ሰብ ኣብ ውሽጢ እንዳቦኡ፥ ንሓዉ ሒዙ “ንስኻ ኽዳን ኣለካ እሞ፥ መራሒ ኹነና፤ ነዝ ዑና እዙይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ” እንትብሎ፥</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኣነ በዓል መድሓኒት ኣይከውንን፤ ኣብ ቤተይ ድማ እንጀራ ወይ ክዳን የለን እሞ፥ መራሒ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ” ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="8">ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።</verse>
				<verse number="9">ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!</verse>
				<verse number="10">ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።</verse>
				<verse number="11">ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="12">ንህዝበይ ኣገበርቶም ይገፍዕዎም፤ ጨቆንቶም ከዓ ይገዝእዎም። ኦ ህዝበይ፥ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፤ ነታ እትኸደላ መንገዲውን የጥፍእዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።</verse>
				<verse number="15">ንህዝበይ ንምንታይ ተድቅቕዎ ኣለኹም? ንገፅ ድኻታት ንምንታይ ትጥሕንዎ ኣለኹም?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="16">መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ጐይታ ንናላ ኣዋልድ ፅዮን ከንኵዖ፥ ንሕፍረተን ከዓ ኽቐልዖ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ንናይ ክብሪ ገይፀን፥ ንኣምባር እግረንን ንገይፂ ፀጕረንን፥ ቅርፂ ወርሒ ንዘለዎ ገይፂ ኽሳደንን፥</verse>
				<verse number="19">ኩትቻ እዝነንን ኣምባር ኢደንን መሸፈኒ ገፀንን፥</verse>
				<verse number="20">መሸፈኒ ርእሰንን፥ ኣልቦአንን ሰንሰለተንን፥ ቅናተንን፥ ብልቃጥ ሽቶአንን፥ ክታበንን፥</verse>
				<verse number="21">ቀለበት ኣፃብዕተንን፥ ቀለበት ኣፍንጫአንን፥</verse>
				<verse number="22">ዝፀበቐ ቐሚሸንን፥ ቀሚሽ ውሽጠንን፥ ካባኣተንን፥ ናይ ኢድ ቦርሳአንን፥</verse>
				<verse number="23">መስትያተንን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ዝተሰርሐ ኽዳነንን፥ ገይፂ ርእሰንን፥ ኵሉ ዓይኒ ርግብን ክምንጥለን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ከምዙይውን ክኸውን እዩ፤ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ሕማቕ ጨና፥ ክንዲ ቕናት ከዓ ገመድ፥ ክንዲ ቝናኖውን ነዃዕነት፥ ክንዲ መጐናፀፍያ ከዓ ወጮ፥ ክንዲ ፅባቐ መልክዕውን በሰላ ንዳድ ሓዊ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣጓብዝኪ ብሰይፊ፥ ጀጋኑኺ ኸዓ ኣብ ውግእ ክወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="26">በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ “እንጀራና ንበልዕ፤ ክዳንናውን ንኽደን፥ ግና ጥራሕ ስምካ ኣብ ልዕሌና ይፀዋዕ፤ ውርደትናውን ኣወግደልና” እናበላ ኽሕዛኦ እየን።</verse>
				<verse number="2">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ሕዚ ስለ ፈታዊየይን፥ ስለ ኣታኽልቲ ወይኑ ንፈታዊየይን፥ ቅኔ እቕነ ኣለኹ። ንፈታዊየይ ኣብ ልዕሊ ፍርያም ኰረብታ፥ ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ።</verse>
				<verse number="2">ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥ ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤ ኣብ ማእኸሉ ድማ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ።</verse>
				<verse number="3">“ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።</verse>
				<verse number="4">ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?</verse>
				<verse number="5">“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”</verse>
				<verse number="7">ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን።</verse>
				<verse number="10">ዓሰርተ ፅምዲ ብዕራይ ካብ ዘውዕል ናይ ወይኒ ቦታ፥ ሓደ መስፈሪ ባዶስ ጥራሕ ፅማቝ ወይኒ ኽወፅእ እዩ። ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ዘርኢ፥ ሓደ መስፈሪ ኢፍ ዝኣክል እኽሊ ጥራሕ ይህብ።”</verse>
				<verse number="11">እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="12">ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን።</verse>
				<verse number="16">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።</verse>
				<verse number="18">እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥</verse>
				<verse number="19">“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="20">እቶም ነቲ ኽፉእ ሰናይ፥ ንሰናይ ከዓ ኽፉእ ዝብሉ፥ ንፀልማት ብርሃን፥ ንብርሃን ድማ ፀልማት ዝገብርዎ፥ ንመሪር ጥዑም፥ ንጥዑምውን መሪር ዝገብርዎ፥ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="21">እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="22">እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥</verse>
				<verse number="23">ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="24">ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።</verse>
				<verse number="26">ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ማእኸሎም ድኹምን ሰንከልከል ዝብልን የብሎምን፤ ሓደ እኳ ዝታኸስን ዝድቅስን ኣይህሉን፤ ቅናት ሕቘኦም ኣይፍታሕን፤ ስራኽ ኣሳእኖም ከዓ ኣይብተኽን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።</verse>
				<verse number="30">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።</verse>
				<verse number="6">ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ።</verse>
				<verse number="7">ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።”</verse>
				<verse number="10">ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ።</verse>
				<verse number="13">ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="2">ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’</verse>
				<verse number="5">ሶርያን፥ ኤፍሬምን ወዲ ሮሜልዩንውን፥ ናብ ይሁዳ ንደይብ፤ ነሸብሮምውን፤ ኣፍሪስና ንእቶሞ ንወዲ ጣብኤል ኣብኣ ነንግሶ ኢሎም ክፉእ መኺሮምልካ ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ጐይታ እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ምኽሮም ኣይፀንዕን፤ ኣይኸውንንውን።</verse>
				<verse number="8">ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን።</verse>
				<verse number="9">ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”</verse>
				<verse number="10">መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦</verse>
				<verse number="11">“ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ ክሳዕ ዝፈልጥ፥ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።”</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።</verse>
				<verse number="18">“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="20">“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።</verse>
				<verse number="21">“በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓንቲ በኳር ኣርሕን ክልተ ኣባጊዕን ጥራሕ የዕቢ።</verse>
				<verse number="22">ብብዝሒ እቲ ዝህባኦ ፀባን ጠስምን ይምገብ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ዅሎም ከዓ ፀባን መዓርን ክበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="23">“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዝግምቱ ሽሕ ጕንዲ ወይኒ ዘለዎ ዅሉ ስፍራታት ኣታኽልቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ጥራሕ ይኸውን።</verse>
				<verse number="24">ኵላ እታ ምድሪ እቲኣ ብእሾዅን ብዃዂቶን ስለ እትሽፈን ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቀስትን ፍላፃን ሒዞም እዮም።</verse>
				<verse number="25">እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዅሉ ዀረብታታት ከዓ ኻብ ፍርሒ እሾዅን ኳዂቶን ዝተልዓለ ደጊም ናብኣ ኣይትኸይድን ኢኻ፤ ግና መውፈሪ ኣብዑርን መርገፂ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ “ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ፥ ኣብኡውን ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ብፊደል ሰብ ፀሓፍ።</verse>
				<verse number="2">ብዛዕባኡውን ነቶም እሙናት ሰባት፥ ንካህን ኦርዮን ንዘካርያስ ወዲ በራክዩን መሰኻኽር ግበረለይ” በለኒ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ኸዓ ናብታ ነቢዪት ቀረብኩ፤ ንሳውን ጠነሰት፤ ወዲ ኸዓ ወለደት።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።</verse>
				<verse number="5">መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦</verse>
				<verse number="6">“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥</verse>
				<verse number="7">ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ።</verse>
				<verse number="9">ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።</verse>
				<verse number="10">ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ፥ ከምዙይ ተናገረኒ፤ ብመንገዲ እዝ ህዝቢ እዙይ ከይከይድ ኣጠንቀቐኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦</verse>
				<verse number="12">“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ።</verse>
				<verse number="13">ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን።</verse>
				<verse number="14">“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ብዙሓት ብእኡ ኽዕንቀፉን፥ ክወድቑን፥ ክስበሩን ክፍንጠሩን፥ ክተሓዙን እዮም።”</verse>
				<verse number="16">ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም።</verse>
				<verse number="17">ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።</verse>
				<verse number="20">ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኸኽብራ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤ ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥ ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥ ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥ ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥ መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ።</verse>
				<verse number="9">ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ “ብጡብ ዝተሰርሐ ፈረሰ፥ ንሕና ግና ብውቑር እምኒ ኽንሓንፆ ኢና፤ ኦም ሳግላ ተቘርፀ፥ ግና ብፅሕዲ ኽንትክኦ ኢና” ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ እግዚኣብሄር ብሓደ መዓልቲ፥ ርእስን ጭራን ጨናፍር ስየን ሻምበቆን ካብ እስራኤል ክቘርፅ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም።</verse>
				<verse number="16">መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።</verse>
				<verse number="18">ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።</verse>
				<verse number="19">ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።</verse>
				<verse number="20">ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።</verse>
				<verse number="21">ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?</verse>
				<verse number="4">ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ!</verse>
				<verse number="6">ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ይብል፦ “ኵሎም መሳፍንተይ ነገስታትዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="9">ካልኖ ከም ከርከሚሽ፥ ሃማት ከም ኣርፋድ፥ ሰማርያኸ ኸም ደማስቆዶ ኣይኮነትን?</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ነቶም ካብ ኢየሩሳሌምን ሰማርያን ዝበልፅ ፅሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስታት ጣዖታት፥ ኢደይ ዘርከበቶም፥</verse>
				<verse number="11">ከምቲ ኣብ ሰማርያን ኣብ ጣዖታታን ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተቐረፁ ምስልታታን ክገብሮዶ ኣይኽእልን?” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ግና “ኵሉ ግብሩ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምስ ፈፀመ ንንጉስ ኣሶር ስለ ትዕቢት ልቡን፥ ንድርቅና እተን ኵሩዓት ኣዒንቱን ክቐፅዖ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም።</verse>
				<verse number="14">ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ሕማም ንሰብ እናመንመነ ዝቐትሎ፥ ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ዱርን ንፈራዪ ገራሁን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እወ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምቲ ኽገብሮ ዝወሰኖ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጥፍኣት ከምፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="25">ቍጥዓይ ክሳዕ ዝፍፀም፥ መዓተይውን ክሳዕ ዘጥፍኦም፥ ቁሩብ ጊዜ ተሪፉ እዩሞ።</verse>
				<verse number="26">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ኮሬብ ንምድያም ዝገበሮ፥ ጭጕራፍ ከልዕለሉ እዩ። ከምቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ንግብፃውያን ዝቐፅዖም፥ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸልዕል እዩ።</verse>
				<verse number="27">በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ።</verse>
				<verse number="29">በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት።</verse>
				<verse number="30">ኣቲ ጓል ጋሊም፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፤ ላይሻ ከዓ ፅን በሊ፤ ኣናቶት ድማ መልስላ።</verse>
				<verse number="31">ማድቤና ትሃድም ኣላ፤ ኣብ ግቤር ዝነብሩውን ስድራኣቶም ኣህደሙ።</verse>
				<verse number="32">በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።</verse>
				<verse number="33">እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ነቲ ዕሙር ዱር ብሓፂን ክቘርፆ እዩ፤ ሊባኖስ እውን ብኢድ እቲ ሓያል ክወድቕ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።</verse>
				<verse number="2">መንፈስ እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ክሕጐስ እዩ፤ ዓይኑ ኸም ዝሪኦ ኣይፈርድን፤ እዝኑ ኸም ዝሰምዖ ኣይብይንን እዩ፤</verse>
				<verse number="4">ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥ ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ተዅላ ምስ ጥቦት በጊዕ ክነብር፥ ነብሪ ኸዓ ምስ ማሕሲእ ጤል ክድቅስ እዩ፤ ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ ዝራብዕን፥ ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ንእሽተይ ቈልዓውን ክጓስዮም እዩ።</verse>
				<verse number="7">ላሕምን ድብን ሓቢሮም ክወፍሩ እዮም፤ ዘዝወለድዎምውን ብሓደ ኽዔሙ እዮም፤ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ዝጠቡ ህፃን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤ ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥ ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።</verse>
				<verse number="10">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።</verse>
				<verse number="13">ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ፍልፍል፥ ማይ ድሕነት፥ ብሓጐስ ክትቀድሑ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="4">በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።</verse>
				<verse number="5">ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ።</verse>
				<verse number="6">ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ቅዱሳነይ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ንጀጋኖይን ነቶም ብኽብረይ ዕልል ዝበሉንውን ቍጥዓይ ንምፍፃም ፀዊዐዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="6">መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ቀሪባ እያ እሞ፥ ብኸዩ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ።</verse>
				<verse number="9">እኒሃ መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ምስ መዓትን ብርቱዕ ቍጥዓን ናህርን መሰክሒት ኮይና ትመፅእ ኣላ። ንምድሪ ኽተባድማ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ኽተጥፍኦም እያ።</verse>
				<verse number="10">ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ።</verse>
				<verse number="11">ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ።</verse>
				<verse number="13">ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።</verse>
				<verse number="14">ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ዝተረኽበ ኽውጋእ እዩ፤ ዝተትሓዘ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።</verse>
				<verse number="17">እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ።</verse>
				<verse number="18">መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም።</verse>
				<verse number="19">መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይሰፍርን እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ መሕደሪ ሰብ ኣይትኸውንን እያ። ኣዕራብውን ኣብኣ ድንኳኖም ኣይተኽሉን፤ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣየስፍሩላን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ግና ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፤ ኣባይታ ብጕጓታት ክመልእ እዩ፤ ሰገናት ኣብኣ ኽነብራ እየን፤ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ!</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ንዘንጊ ኽፍኣትን፥ ንበትሪ ገዛእትን ሰበሮ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ።</verse>
				<verse number="7">ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ብህድኣት ተቐሚጣ ዕልልውን ትብል ኣላ።</verse>
				<verse number="8">ፅሕድታትን ዝግባታት ሊባኖስን እኳ ‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ፥ ክቘርፀና ኢሉ ዝደየበ ሓደኳ የለን’ እናበሉ ብኣኻ ደስ በሎም።</verse>
				<verse number="9">“እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ።</verse>
				<verse number="10">ኵላቶም ከዓ ‘ንስኻውንዶ ኸማና ደኺምካ! ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ!</verse>
				<verse number="11">ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም።</verse>
				<verse number="12">“ኣየ ኣታ ብሩህ ኮኸብ ወዲ ወጋሕታ፥ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ! ንስኻ ንኣህዛብ ዘዋረድካስ፥ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ!</verse>
				<verse number="13">ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክዓርግ፥ ነቲ የመና ልዑል ዝኾነውን ክመስሎ እየ’ በልካ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">“ዝሪኡኻ የስተብህሉኻሞ፥ ‘እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቀጠን ንመንግስታት ዘናወፀን፥</verse>
				<verse number="17">እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ።</verse>
				<verse number="18">ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ በብገዛኦም ብኽብሪ ደቂሶም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ።</verse>
				<verse number="20">ንምድርኻ ስለ ዘዕኖኻያ፥ ንህዝብኻ ኸዓ ስለ ዝቐተልካዮም፥ ኣብ መቓብር ምስኣቶም ኣይትሕወስን ኢኻ፤ ዘርኢ ኽፉኣት ንዘለኣለም ኣይፅዋዕን።</verse>
				<verse number="21">ከይለዓሉ ንምድሪ እውን ከይወርሱ ንዓለምውን ብኸተማታቶም ከይመልኡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንደቆም ሞት ኣዳለዉሎም።”</verse>
				<verse number="22">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኣቶም ክትስእ እየ፤ ስምን ተረፍን ዘርእን ትውልድን ካብ ባቢሎን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚእብሔር።</verse>
				<verse number="23">ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="24">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ሓሳብ እዙይ እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድውን እዚኣ እያ።”</verse>
				<verse number="27">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ?</verse>
				<verse number="28">በታ ንጉስ ኣካዝ ዝሞተላ ዓመት እዝ ፆር እዙይ ኮነ።</verse>
				<verse number="29">ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።</verse>
				<verse number="30">በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ።</verse>
				<verse number="31">ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።</verse>
				<verse number="32">ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!</verse>
				<verse number="2">ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ፈቖዶ መንገድታቶምውን ወጮ ተዓጢቖም ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምውን፥ የመና ንብዓት እናፍሰሱ ዅሎም በኽዮም እዮም።</verse>
				<verse number="4">ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት።</verse>
				<verse number="5">ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">ማያት ኔምሬም ክነፅፉ እዮም፤ ሳዕሪውን ነቒፁ እዩ፤ ጠጥዒ ፀምልዩ ዅሉ ልምላሜኡ የለን።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ሰባት ነቲ ዝኣከብዎን ነቲ ዝዓቘርዎን ሒዞም ብሩባ ዕቦል ከሳግርዎ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ንወሰናት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፤ ብኽያታ ኸዓ ኽሳዕ ኤግላይም፥ ክሳዕ ብኤር ኢሊም በፅሐ።</verse>
				<verse number="9">ማያት ዲሞን ብደም ተመሊአን ኣለዋ፤ ኣብ ልዕሊ ዲሞን ድማ፥ ካብዙይ ዝገደደ ስቓይ ከምፅአሎም እየ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሃድሙ ሰብ ሞኣብን፥ ኣብ ልዕሊ ተረፍ እታ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ካብታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ሴላ፥ ናብቲ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝሰልጠነ፥ ጡቦታት ኣባጊዕ ስደዱ።</verse>
				<verse number="2">ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።</verse>
				<verse number="3">“ምኽሪ ምኸሪ፤ ፍርዲ ፍረዲ፤ ቀትሪ እንተሎ ንፅላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንዝተሰጐጐ ሕብኢ፥ ንዝሃድሙ ኣይትግለፂ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ሞኣብ ዝተሰደዱ ምሳኺ ይቀመጡ፤ ካብ ቅድሚ እቶም ዘጥፍእዎም ከውሊ ኹኒዮም። እቶም ዘጨንቑ ሃሊቖም፥ ጥፍኣትውን ተሪፉ፥ እቶም ዝጭቍኑ ዝነበሩ ኻብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።”</verse>
				<verse number="5">ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይ ዋይ ክትብለላ እያ፤ ኵላቶም ዋይ ዋይ ክብሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ እናስቈርቈርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">እቲ ኣብ ጥቓ ሄስቦን ዝነበረ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይኒ ሲባማን ፀምልዩ እዩ። እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝሰባበርወን ጨናፍር ክሳዕ ኢያዜር በፂሑ ዝነበረ፥ ብወገን ምብራቕ ክሳዕ ናብ ምድረ በዳ ወፂኡ ነይሩ። ብወገን ምዕራብ ከዓ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው በፂሑ ዝነበረ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ገዛእቲ ኣህዛብ ቈራረፅዎ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሞኣብ ቀደም ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር “ዝተዓስበ ሰብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ብሰለስተ ዓመት እቲ ዅሉ ኽብሪ ሞኣብን፥ ብዝሒ ህዝባውን ክዋረድ እዩ። ካብዝ ብዙሕ ህዝባ ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም። እቲ ዝተረፈ ህዝባውን ውሑድን ድኹምን ክኸውን እዩ” ይብል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="2">ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን።</verse>
				<verse number="3">ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”</verse>
				<verse number="7">በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን።</verse>
				<verse number="8">ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።</verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።</verse>
				<verse number="10">እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ።</verse>
				<verse number="11">ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="13">ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ካብ ሩባታት ኢትዮጵያ፥ ንንየው ንዘላ ድምፂ ኣኽናፍ ዘለዎም መራኽብ ንዘለውዋ፥ ልኡኻት ብልዕሊ ባሕሪ፥ ናይ ሰልሰላ መራኽብውን ብልዕሊ ማይ ንእትልእኽ ምድሪ ወይለኣ!</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።</verse>
				<verse number="3">ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ።</verse>
				<verse number="5">ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኵላቶም ኣደዳ ኣሞራታት እምባን፥ ኣደዳ ኣራዊት በረኻን ክኾኑ እዮም፤ ኣሞራታት ብኣኣቶም ክሓግዩ እዮም፥ ኵላቶም ኣራዊት በረኻ ድማ ኣብኣቶም ክኸርሙ እዮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="7">በቲ ጊዜ እቱይ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ፥ ልሙፅ ህዝቢ፥ ካብቲ ብመጀመርታ መደንገፂ ዝኾነ ወገን ካብ ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለት ህዝቢ፥ ናብታ ስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝርከበላ ቦታ፥ ናብ እምባ ፅዮን ገፀ በረኸት ክቐርብ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።</verse>
				<verse number="2">“ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም።</verse>
				<verse number="3">መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="5">ማይ ካብ ባሕሪ ኽጠፍእ እዩ፤ እቲ ሩባውን ክነፅፍ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ወሰን ሩባ ኣባይ ዘሎ ሰውሒ፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣባይ ዝተዘርአ ዅሉ፥ ክሃጒጕን ክጠፍእን ኣይክርከብንውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ሰራሕቲ ዝተፋረኸ ቓንጫ እንጣጢዕን፥ እቶም ኣለምቲ ፃዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም።</verse>
				<verse number="11">መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?</verse>
				<verse number="12">ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ።</verse>
				<verse number="13">ኣሕሉቕ ጣኔዎስ ሰነፋት እዮም፤ መሳፍንቲ ሜምፎስ ከዓ ተጠበርቲ እዮም፤ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታት ንግብፂ ኣጋገይዋ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ንግብፂ ቐይናን መንፈስ ኣፍሰሰላ። ስለዙይ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዝብል፥ ንግብፂ ኸዓ ኣብ ኵሉ ተግባራታ ሰንከልከል ከም እትብል ገበርዋ።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ።</verse>
				<verse number="16">በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።</verse>
				<verse number="17">ምድሪ ይሁዳ ንግብፂ እተደንግፅ ክትከውን እያ። እቲ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝመኽረላ ምኽሪ ዝተልዓለ፥ ኵሉ ወረኣ ዝሰምዐ ኽፈርሕ እዩ።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ብቛንቋ ከነዓን ዝዛረባ፥ ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ዝምሕላ ሓሙሽተ ኸተማታት ኣብ ሃገር ግብፂ ኽርከባ እየን፤ ካብኣተን እታ ሓንቲ “ናይ ጥፍኣት ከተማ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።</verse>
				<verse number="19">በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።</verse>
				<verse number="20">እዙይ ከዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ምስክርን ክኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ገፋዕቶም ናብ እግዚኣብሄር እንትጠርዑ ድማ፥ ንሱ መድሓንን ሓያልን ሰዲዱ ኸድሕኖም እዩሞ።</verse>
				<verse number="21">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ብግብፂ ዝተፈልጠ ይኸውን፤ ግብፃውያንውን ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ እዮም፤ ብመስዋእትን ብቝርባንን ከምልኹ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽመባፅዑ፥ ክፍፅምዎውን እዮም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ።</verse>
				<verse number="23">በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም።</verse>
				<verse number="24">በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል፥ ንግብፅን ንኣሶርን ሳልሰይተን ክትከውን እያ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ብዝለኣኾ መሰረት፥ ኣዛዚ ሰራዊቱ ተርታን ናብ ኣዛጦን መፂኡ፥ ንኸተማ ኣዛጦን ተዋጊኡ ኣብ ዝሓዛ ዓመት፥</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥</verse>
				<verse number="4">ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ካብ ተስፋኦም ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ትምክሕቶም ካብ ግብፂ ዝተልዓለ፥ ክፈርሑን ክሓፍሩን እዮም።</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ኣብ ጥቓ ባሕሪ ብዛዕባ ዘሎ ምድረ በዳ ዝተነግረ ፆር። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፥ ከምኡ ኻብ ምድረ በዳ፥ ካብቲ ዝፍራሕ ሃገር ወራሪ ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።</verse>
				<verse number="3">ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።</verse>
				<verse number="4">ልበይ ጠለመኒ፤ ብፍርሒ ኸዓ እርዕድ ኣለኹ፤ ተስፋ ዝገበርክዎ ድንግዝግዝታ ራዕዲ ኣምፅአለይ።</verse>
				<verse number="5">ማእዲ ኣዳልዉ፥ ምንፃፍ ኣንፅፉ፥ ብልዑን ስተዩን፤ ኣቱም መሳፍንቲ ተልዓሉ፤ ዋልታኻትኩም ኣዳልዉ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እግዚኣብሄር “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፤ ዝረአዮውን ይንገር።</verse>
				<verse number="7">በፍራስ ዝቕመጡ በብኽልተ እናኾኑ ዝኸዱ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ዝቕመጡ ምስ ረአየ፥ ብፍፁም ትግሃት ኣስተውዒሉን ተጊሁን የዳምፅ።”</verse>
				<verse number="8">እቲ ሓላዊ ድማ ዓው ኢሉ “ጐይታይ፥ መዓልትን ለይትን እንተየቋረፅኩ ኣብታ መሐለዊት ግንቢ ተተኺለ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="9">እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ፆር። ካብ ሴይር “ኣታ ሓላዊ፥ ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ? ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ፤ ግና መሊሱ ኽመሲ እዩ። ክትጥይቑ እንተ ደሊኹም ከዓ ተመሊስኩም ንዑ” በለ።</verse>
				<verse number="13">ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="14">ኣቱም ሰብ ቴማን፥ ነቶም ፅሙኣት ማይ ኣስትይዎም። ነቶም ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት፥ እንጀራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።</verse>
				<verse number="16">ጐይታውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዕሱብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኵሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?</verse>
				<verse number="2">ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">ኤላም ምስ ሰብ ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ኮይኑ ሰገባኡ ፆረ፤ ቂርውን ዋልታኡ ቐልዐ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ፍርያም ለሰ ይሁዳ ብሰረገላታት መልአ፥ ፈረሰኛታት ከዓ መቖሚኦም ኣብ ኣፍ ደገ ገበሩ።</verse>
				<verse number="8">ንዅሉ መጋረጃ ይሁዳ ቐልዐ፤ ሽዑ ናብ እንዳ ኣፅዋር፥ ናብ ቤት ዱር ተመልከትካ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።</verse>
				<verse number="12">በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።</verse>
				<verse number="14">እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="15">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥</verse>
				<verse number="16">‘ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? መቓብርካ ኣብዙይ እተውቅር፥ ንርእስኻ ኣብ በሪኽ መዕረፊ ዝኸውን ስፍራ ኣብ ኰዅሒ እተውቅርስ ኣብዙይ እንታይ ኣለካ?</verse>
				<verse number="17">እንሆ እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣርሒቑ ኽውርውረካ፥ ኣፀቢቑ ድማ ኽዕዅልለካ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን።</verse>
				<verse number="19">ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።</verse>
				<verse number="20">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ።</verse>
				<verse number="21">ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="22">መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="23">ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ብባሕሪ ዝሳገሩ ነጋዶ ሲዶና ዝመልኡኹም ፀጥ በሉ።</verse>
				<verse number="3">ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት።</verse>
				<verse number="4">ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ።</verse>
				<verse number="5">ወረ ጢሮስ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ ብወረ ጢሮስ ቅልውላው ክሕዞም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="7">እታ ቐደም ዝተመስረተት ሕጕስቲ ኸተማ ጢሮስ እዚኣ ድያ? እታ ንብዙሓት ናብ ሰገር ባሕሪ እትሰዶም ዝነበረት ከተማ እዚኣ ድያ?</verse>
				<verse number="8">ነታ ዘውድታት እተፅዕን ዝነበረት፥ ኣሕሉቕ ዝነጋዶኣ፥ ክቡራን ምድሪ ዝሸቃጦኣ ኸተማ ጢሮስ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝመኸረላ መን እዩ?</verse>
				<verse number="9">ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኢዱ ዘርጊሑ፥ ንመንግስታት ኣደንገፀ፤ ዕርድታት ከነዓን ክፈርስ ከዓ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="12">ኣቲ እተጨነቕኪ ድንግል ሲዶና፥ ካብ ደጊም ደስ ኣይበልኪ፤ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፤ እንተ ኼድኪ ኣብኡ እውን ኣይትዓርፊን በለ።</verse>
				<verse number="13">እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ።</verse>
				<verse number="14">ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድታትክን ፈሪሱ እዩ እሞ ዋይ ዋይ በላ።</verse>
				<verse number="15">በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ፥ ንዕድመ ሓደ ንጉስ ዝኣክል፥ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ ተወድኣ ግና፥ ንጢሮስ ከምዝ ዝስዕብ ደርፊ ኣመንዝራ ኽድረፈላ እዩ፦</verse>
				<verse number="16">ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፥ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፥ ኣብ ከተማ ዙሪ፤ ኣፀቢቕኪ መሰንቆ ቓንዪ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።</verse>
				<verse number="17">እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ።</verse>
				<verse number="18">ግና ረብሓኣን ዝረኸበቶ ዓስብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ረብሓኣ ኣይዕቈርን ኣይቕመጥን እዩ። እኳ ደኣ በሊዖም ምእንቲ ኽፀግቡ፥ ብሉፅ ክዳንውን ክኽደኑስ፥ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ።</verse>
				<verse number="4">ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ።</verse>
				<verse number="5">ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="8">ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ደጊም እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፤ እቲ ዘስክር መስተ ንዝሰትይዎውን ክመሮም እዩ።</verse>
				<verse number="10">እታ ዝፈረሰት ከተማ ባደመት፤ ገዛውቲ፥ ሰብ ከይኣትዎ ተዓፀወ።</verse>
				<verse number="11">ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ።</verse>
				<verse number="12">እታ ኸተማ ዓንያ እያ፤ መዓፁኣ ተሰባቢሩ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ወሰን ምድሪ “ክብሪ ነቲ ፃድቕ ይኹን” ዝብል መዝሙር ሰሚዕና። ኣነ ግና ዓበርኩ፤ መንመንኩ፤ ወይለይ! ከሓድቲ ይዕምፁ ኣለዉ፤ ዓመፅቲ ኸዓ የመና ይዕምፁ ኣለዉ በልኩ።</verse>
				<verse number="17">ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።</verse>
				<verse number="19">ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።</verse>
				<verse number="20">እወ፥ ምድሪ ኸም ዝሰኸረ ሰካር ሰንደልደል ትብል፤ ምድሪ ኸም ዳስ ነነው ትብል። በደላ ኸቢድዋ እዩ እሞ፥ ክትወድቕ እያ። መሊሳውን ኣይትትስእን።</verse>
				<verse number="21">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ንዘለዉ ሰራዊት ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ነገስታት ድማ ኣብ ምድሪ ኽቐፅዖም እዩ።</verse>
				<verse number="22">ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="2">ነታ ኸተማ፥ ኩምራ እምኒ ገበርካያ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኣፈራረስካያ፤ እታ ኣዳራሽ ጓኖት፥ ደጊም ከተማ ኣይትኸውንን፤ ንዘለኣለም ከዓ መሊሳ ኣይትስራሕን እያ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ እቶም ብርቱዓት ህዝቢ ከኽብሩኻ እዮም። ከተማ ናይ ጨካናት ኣህዛብ ከዓ፥ ክትፈርሐካ እያ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ንዘሎ ሃሩር እተህድኦ፥ ንስኻ ንድምፂ ጓኖት ስቕ ኣበልካዮ፤ ከምቲ ዋዒ ብፅላሎት ደመና ዝዝሕል፥ ንስኻ ኸዓ ንናይ ጨካናት ደርፊ ዓወት ተዝሕሎ።</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕሊ እዝ እምባ እዙይ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዝተዘርግሐ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዘጐልበበ መሸፈንን ከጥፍኦ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።</verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኽዝመር እዩ፤ ፅንዕቲ ኸተማ ኣላትና፤ እግዚኣብሄር ቅፅርን ዕርድን ገይሩ፥ ምድሓን ከንብረላ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ሓቂ ዝሕሉን ፃድቕ ዝኾነን ህዝቢ፥ ምእንቲ ኽኣቱ በርታት ክፈቱ።</verse>
				<verse number="3">በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም እምባ እዩሞ፥ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነብሩ ትሕት የብሎም፤ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኸዓ የዋርዳ፤ ናብ ምድሪ ይድርብያ፤ ምስ ሓመድ ድማ ይሓዋውሳ።</verse>
				<verse number="6">እግሪ፥ ኣእጋር ድኻታትን፥ ስጕምቲ ፅጉማትን ክትረግፃ እያ።</verse>
				<verse number="7">መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።</verse>
				<verse number="9">ፍርድኻ ኣብ ምድሪ እንትትገብር፥ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ፥ ፅድቂ ይመሃሩ እዮም እሞ፥ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፤ ኣብ ውሽጠይ ብዘላ መንፈሰይ፥ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ንኽፉእ እንተ ራህራህኻሉ ፅድቂ ኣይመሃርን፤ ቅኑዓት ኣብ ዝነብሩሉ ምድሪ ኽፍኣት ይገብር፤ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን።</verse>
				<verse number="11">ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።</verse>
				<verse number="12">ንዅሉ ተግባርና እትፍፅመልና ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብዘይ ንስኻ፥ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና ነይሮም፤ ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ሞይቶም እዮም፥ ህያዋን ኣይኮኑን፤ ጠፊኦም እዮም፥ ኣይትስኡን፤ ንስኻ ቐፃዕኻዮምን ደምሰስካዮምን፤ ንዅሉ መዘከሪኦምውን ኣጥፋእኻዮ።</verse>
				<verse number="15">ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ንስኻውን ከበርካ፤ ንዅሉ ወሰን እታ ምድሪ ድማ ኣስፋሕኻ።</verse>
				<verse number="16">ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።</verse>
				<verse number="17">ጥንስቲ ሰበይቲ፥ ክትወልድ ምስ ቀረበት፥ ቅልውላው ተትሒዛ ኸም እተእዊ፥ ኦ እግዚኣብሄር ንሕናውን፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኣ ኾንና።</verse>
				<verse number="18">ጠነስና፥ ፃዕሪ ሕርሲ ሓዘና፤ ንፋስ ከም ዝወለድና ኾንና፤ ንምድሪ እውን ድሕነት ኣየምፃእናላን፤ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ይወድቑ።</verse>
				<verse number="19">ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።</verse>
				<verse number="20">ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ።</verse>
				<verse number="21">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ፤ ምድሪ ኸዓ ንደማ ኽትቀልዖ እያ፤ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይትኽውሎምን እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።</verse>
				<verse number="2">በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።</verse>
				<verse number="5">ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር።</verse>
				<verse number="6">በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ?</verse>
				<verse number="8">ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።</verse>
				<verse number="10">እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።</verse>
				<verse number="12">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።</verse>
				<verse number="5">በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።</verse>
				<verse number="7">ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ ማእዲ ብትፋኦም ርኵሰት ዝመልአ እዩ፤ ንፁህ ቦታ ኸቶ የለን።</verse>
				<verse number="9">“ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ?</verse>
				<verse number="10">ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።”</verse>
				<verse number="11">እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ።</verse>
				<verse number="12">“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።” በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19">ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኸምቲ ዓራት ሓፂርዎ ምስፋሕ ዝሰኣነ፥ ነፀላኡ ንኢስዎ መደረብታ ዝሰኣነ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።</verse>
				<verse number="22">ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።</verse>
				<verse number="23">ፅን በሉ፤ ድምፀይ ስምዑ፤ ኣስተብህሉ፤ ዘረባይ ድማ ስምዑ።</verse>
				<verse number="24">ክዘርእ ኢሉ ዅልሻዕ ንግራቱ ዝሓርስን ዝባሩን ዝጕልጕልን ሓረስታይዶ ኣሎ እዩ?</verse>
				<verse number="25">ንግራቱ ምስ ኣተኻኸሎ፥ ሰሰግን ከሙንን ኣይዘርእንዶ? ስርናይ ኣብቲ ትልምታት፥ ስገም ድማ ኣብ ዝተመደበ ቦታዶ ኣይዘርእን? ንሂጕውን ኣብ ቦታኡዶ ኣይዘርእን?</verse>
				<verse number="26">እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንሰሰግ ብኣብዑር፥ ንከሙን ብመንኰራዅር ሰረገላ ኣየኺዶን እዩ። እኳ ደኣ ንሰሰግ ብጨንፈር፥ ንከሙን ድማ ብሸቦጥ እዩ ዝዘብጦ።</verse>
				<verse number="28">እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ።</verse>
				<verse number="29">እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ኣብ ዙርያኺ ኽሰፍር እየ፤ ብቕፅሪ ኸቢበ ኸጨንቐኪ፥ ኣብ ልእሌኺውን ዕርዲ ኽቐውም እየ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኽትዋረዲ፥ ኣብ ምድሪ ዄንኺ ኽትዛረቢ ኢኺ፤ ቃልኪውን ትሕት ኢሉ ኻብ ሓመድ ክወፅእ፥ ድምፅኺውን ካብ መሬት ከም ዝወፅእ፥ ድምፂ ፀዋዒ መናፍስቲ ክኸውን እዩ፤ ቃልኪ ድማ ኻብ ሓመድ ሕሽዅሹኽ ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብነጐድጓድን ብምንዋፅ ምድርን፥ ብብርቱዕ ሞገድን ብኣውሎ ንፋስን፥ ብፀፍዒ ማይን ብዘቃፅል ሃልሃልታ ሓዊን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም እቶም ንእምባ ፅዮን ዝወግኡ ኣህዛብ፥ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዝበልዕ፥ ግና ጥራሕ ከብዱ ዝነቅሕ፥ ከምቲ ፅሙእ ብሕልሙ ዝሰቲ፥ ግና ብፅምእቲ ነፍሱ ዝትስእ፥ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሓደ ንባብ ዘይፈልጥ ከዓ “እንካ እስኪ ነዙይ ኣንብብ” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱውን “ምንባብ ኣይክእልን እየ” ይብሎም።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”</verse>
				<verse number="15">እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="16">እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ዱር ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፥ እቲ ፍርያም ግራት ከዓ ኸም ዱር ክቝፀር፥ ቁሩብ ጊዜዶ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ?</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።</verse>
				<verse number="19">እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።</verse>
				<verse number="2">ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="3">ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥</verse>
				<verse number="5">ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።”</verse>
				<verse number="6">ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”</verse>
				<verse number="8">እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።</verse>
				<verse number="11">ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥</verse>
				<verse number="13">እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”</verse>
				<verse number="15">እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።</verse>
				<verse number="16">እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።</verse>
				<verse number="19">ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን።</verse>
				<verse number="21">ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።</verse>
				<verse number="22">ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።</verse>
				<verse number="24">እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="25">በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።</verse>
				<verse number="26">በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="27">እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ።</verse>
				<verse number="28">እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።</verse>
				<verse number="33">ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="2">ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ።</verse>
				<verse number="3">ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንኢየሩሳሌም ከዕቝባ እዩ፤ እወ ኸዕቝባን ከናግፋን ክከላኸለላን ከድሕናን እየ።”</verse>
				<verse number="6">“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="7">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">እንሆ፥ ንጉስ ብፅድቂ ይነግስ፤ መሳፍንትውን ብፍትሒ ይገዝኡ።</verse>
				<verse number="2">ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዓይኒ ዝሪኡ ሰባት፥ ኣይዕመትን፤ ዝሰምዑ ኣእዛንውን ከዳምፁ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ልቢ እቶም ዝንጉዓት፥ ፍልጠት ከስተውዕል እዩ፤ መልሓስ ኰርታዕውን ኣፅርዩ ኽዛረብ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ድሕሪ ደጊም ሰነፍ፥ ክቡር ተብሂሉ ኣይፅዋዕን፤ ስሱዕውን ለጋስ ኣይበሃልን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ሰነፍ ስንፍና ይዛረብ፤ ልቡ ዝንጉዕነት ምእንቲ ኽፍፅም፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ምእንቲ ኽዛረብ፥ ንጥሙይ ጥራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ንፅሙእ ድማ ዝስተ ምእንቲ ኽኽልክል፥ ሕሰም ይዛረብ፤ ልቡ ኸዓ ኽፍኣት ይሰርሕ።</verse>
				<verse number="7">ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።</verse>
				<verse number="8">ክቡር ሰብ ግና ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፤ ኣብ ክቡር ነገር ከዓ ፀኒዑ ይነብር።</verse>
				<verse number="9">ኣትን መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ተስኣ እሞ ድምፀይ ስምዓ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ፥ ናብ ዘረባይ ኣድምፃ።</verse>
				<verse number="10">ኣትን ሕዚ መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትን፥ ምቝራፅ ዘቢብን ምእራይ ፍረታትን ክጠፍእ እዩ እሞ፥ ክትድንግፃ ኢኽን።</verse>
				<verse number="11">ኣትን ጥዒሙክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ደጊም ተሸበራ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ ረዓዳ። ክዳንክን ቀንጥጣ እሞ ጥራሕኽን ኩና። ኣብ ሕቘኽን ከዓ ወጮ ተዓጠቓ።</verse>
				<verse number="12">ስለ እቲ ልሙዕ ግራትን ስለ እቲ ፈራዪ ኣታኽልቲ ወይንን፥ ኣፍ ልብኽን ውቕዓ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብታ ሕጕስቲ ኸተማ ዘለዋ ዝሕጐሱለን ዝነበሩ ኣባይቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ክበቍል እዩ።</verse>
				<verse number="14">እታ ኣዳራሹ ዑና ኽትከውን እያ፤ እታ ናይ ብዙሓት ሰባት ከተማውን ፀው ክትብል እያ። ዕርድን ግምብን ከዓ ንሓዋሩ መዐንደሪ ኣድጊ በረኻን መዋፈሪ መጓሰን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="15">እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ፍትሒ ኣብ ምድረ በዳ ኽሰፍር፥ ፅድቂውን ኣብ ልሙዕ መሬት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="17">ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="19">ግና በረድ ኣብ ልዕሊ ዱር ይወርድ፤ እታ ኸተማ እውን ፈፂማ ኽትዋረድ እያ።</verse>
				<verse number="20">ኣቱም ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እናዀብኰብኩም ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማያት እትዘርኡ ብሩኻት ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።</verse>
				<verse number="2">ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።</verse>
				<verse number="3">ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ።</verse>
				<verse number="4">ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ደገ የእውዩ ኣለዉ፤ እቶም ናይ ሰላም ልኡኻት ከዓ፥ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="8">ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን።</verse>
				<verse number="9">እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ሓሰር ጠነስኩም፤ ቡቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣብ ቀረባ ዘለኹምውን፥ ሓይለይ ፍለጡ።”</verse>
				<verse number="14">ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="15">እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥</verse>
				<verse number="16">ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣዒንትኻ ነቲ ንጉስ ብፅባቐኡ ኽሪኣኦ እየን፤ ርሑቕ ንዘላ ሃገርውን ክምልከታ እየን።</verse>
				<verse number="18">ብልብኻ ድማ “ፀሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒኸ ኣበይ ኣሎ? ግንብታት ዝቘፅር ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ዘፍርሕ ነገር ይሓስብ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ።</verse>
				<verse number="20">ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን።</verse>
				<verse number="21">ኣብኣተንውን እግዚኣብሄር ሰፋሕቲ ወሓይዝን ቦታ መስኖን ኮይኑ፥ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ። ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ኣይኣትዋኣን፥ ዓበይቲ መራኽብውን ብኣኣ ኣይሓልፋን እየን።</verse>
				<verse number="22">ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።</verse>
				<verse number="23"></verse>
				<verse number="24">ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።</verse>
				<verse number="2">ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ፥ መዓቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊት እዩ፤ ፈፂሙ ኸዓ ኸጥፍኦም እዩ፤ ንማሕረዲውን ከወፍዮም እዩ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ካብኣቶም ዝተቐትሉ ናብ ደገ ኽድርበዩ እዮም፤ ሬሳኣቶምውን ክጨኑ እዩ፤ እምባታት ድማ ብደሞም ክርሕሱ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።</verse>
				<verse number="7">ምስኣቶም ድማ ጐባያትን ኣእሩሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፤ ሃገሮም ከዓ ብደም ክትረዊ፥ ሓመዶምውን ብስብሒ ኽትረጕድ እያ።</verse>
				<verse number="8">መዓልቲ በቀል እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅዮን ክርክር፥ ዓመት ምፍዳይ ሕነ እዩሞ።</verse>
				<verse number="9">ወሓይዝ ኤዶምያስ ናብ ቅጥራን፥ ሓመዳ ኸዓ ናብ ዲን ክልወጥ፥ ምድራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ለይትን መዓልትን እንተይጠፍአ ኽነድድ እዩ። ትካ ንዘለኣለም ክተክኽ፥ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም፥ ንዘለኣለም ሓደ እኳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ሊሎን ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ክገብርዋ፥ ጕጓን ኳዅን ክነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሌኣውን ናይ ምፍራስ ገመድ፥ ናይ ጥፍኣታ መለክዒ ቱምቢን፥ ክዝርግሐላ እዩ።</verse>
				<verse number="12">መሳፍንታ ናብ መንግስቲ ይፅውዑ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይርከባን፤ ኵላቶም መሳፍንታ ኸንቱ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እሾዅ ኣብ ኣደራሻታ፥ ኣምዐን ኳዂቶን ከዓ ኣብ ዕርድታታ ኽበቍል እዩ፤ ሰፈር ወኻሩን መውዓሊ ሰገንን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="14">ኣራዊት በረኻን ተዃሉን ኣብኣ ይራኸቡ፤ ኣጋንንቲ ኸዓ ይፀዋውዑ፤ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፤ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ።</verse>
				<verse number="15">ጕጓ ኣብኣ ሰፈራ ትሰርሕ፤ እንቍላሊሓውን ክተውድቕ፥ እንቝላሊሓ ጨጪሓ ከዓ ንጨቓዊታ በኽናፋ ኽትሓቝፈን እያ። ኣብኡውን ኣሞራታት ነንሕድሕዶም ምስ ብፆቶም ክእከቡ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፥ ኣፈይ ኣዚዙ እዩሞ፥ መንፈሱውን ኣኪብዎም እዩሞ፥ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ መፃምዲውን ኣይስእንን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ እዩ ዕፃ ዘውደቐሎም፥ ኢዱውን ብገመድ ከፈለትሎም። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ይገዝእዋ፤ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ደስ ክብሎም እዩ፤ እቲ ምድረ በዳ ኸዓ ዕልል ክብል፥ ከም ፅጌረዳ ድማ ኽዕምብብ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ።</verse>
				<verse number="4">ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ክበርሃ፥ ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥ ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤ ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።</verse>
				<verse number="7">ምድሪ ረመፅ፥ ቃላይ፥ ምድሪ ኣፃምእ ከዓ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ። እታ ወኻሩ መሳፍሮ ገይረናኣ ዝነበራ ስፍራ፥ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="8">ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣንበሳ ኣይህልዎን፤ ዝጓዳእ ኣራዊት ኣይድይቦን፤ ኣብኡውን ኣይርከብን እዩ፤ ብኣኣ ዝኸዱ ዝደሓኑ ጥራሕ እዮም፤</verse>
				<verse number="10">እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ከምዙይ ከዓ ኾነ፦ ሕዝቅያስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ነተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዅላተን ደዪቡ ሓዘን።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ላኪሶ ኮይኑ ኸዓ፥ ንራፋስቂስ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ፥ ናብ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ሓፅቢ መስኖ፥ ብመንገዲ ግራት ሓፃቢ ገይሩ፥ ናብቲ ላዕለዋይ መፂኡ ደው በለ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ እቲ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኡ ወፁ።</verse>
				<verse number="4">ራፋስቂስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንሕዝቅያስ፥ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ እዝ እትተኣማመኖ ዘለኻ መተኣማመኒ እንታይ እዩ?”</verse>
				<verse number="5">ብኣፍካ “ሜላ ውግእን ዓቕምን ኣለኒ” ምባልካ ኸንቱ እዩ። ኣብ ልዕለይ እትዕምፅ ደኣ፥ ኣብ መን ተኣማሚንካ ኢኻ?</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ በቲ ቕጥቁጥ ምርኩስ ሻምብቆ ዝኾነ ግብፂ ትተኣማመን ኣለኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፥ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የቝስሎ፤ ንጉስ ግብፂ ኸዓ ነቶም ኣብኡ ዝተኣማመኑ ዅሎም ከምኡ እዩ።</verse>
				<verse number="7">“ንሕናስ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል እንተ በልካኒ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ባዕልኻዶ ኣይኮንካን ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ሓደ መሰውኢ ጥራሕ ስገዱ፤ እናበልካ ንዀረብታታትን መሰውኢታትን ዘፍረስካ?</verse>
				<verse number="8">እስኪ ሕዚ ምስ ጐይታይ፥ ምስ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፤ ንስኻ ዝቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፥ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻ ንሓደ ሓለቓ ናይቶም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ፥ ንድሕሪት ክትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግና ኣብ ናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተኣማሚንካ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚኸ ነዛ ሃገር ብዘይ ፈቓድ እግዚኣብሄር፥ ከጥፍኣ ዝደየብኩ ድዩ መሲሉካ? ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ፥ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ።”</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኤልያቄምን ሳምናስን ኢዮኣስን ንራፋስቂስ “ቋንቋ ሶርያ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ ንባሮትካ ብእኡ ተዛረበና። ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅፅሪ ዘለዉ ህዝቢ፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።</verse>
				<verse number="12">ራፋስቂስ ግና “ጐይታይ እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ምስ ጐይታኻን ምሳኻን ጥራሕ ክዛረብ ድዩ ዝለኣኸኒ? ኣይፋሉን፤ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን፥ ሽንቶም ክሰትዩን፥ ኣብ ቅፅሪ ተቐሚጦም ናብ ዘለዉ ሰባትውንዶ ኣይኮነን ዝለኣኸኒ?” በለ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ ራፋስቂስ ደው በለ እሞ፥ ዓው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ፥ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል፦ ሕዝቅያስ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ ኣየዕሽኹም።</verse>
				<verse number="15">ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ክትተኣማመኑ ኣይግበርኩም።</verse>
				<verse number="16">ንጉስ ኣሶር ‘ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ እሞ ንምድሪኹም ናብ እትመስል ምድሪ፥ እኽልን ወይንን፥ ምድሪ እንጀራን ኣታኽልቲ ዘቢብን፥ ክሳዕ ዘብፅሐኩም ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይውን ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ኦም በለሱ ኽበልዕ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ማይ ዒላኡ ኽሰቲ እዩ’ ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">ሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ኣየታልልኩም፤ ካብ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="19">ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣድሒኖምዋ እዮም?</verse>
				<verse number="20">ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት፥ ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከመይ ከድሕና ይኽእል?” በለ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ግና ሱቕ በሉ፤ ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙዎም ስለ ዝነበረ፥ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ንሳምናስ ፀሓፍን፥ ነቶም ሽማግለታት ካህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ክኸዱ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።</verse>
				<verse number="4">ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ከዓ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።</verse>
				<verse number="6">ኢሳይያስ ድማ “ንጐይታኹም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በተን ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝፀረፉለን፥ ንስኻውን ዝሰማዕኻየን ቃላት ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሶ ከም ዝተልዓለ፥ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ ራፋስቂስ ተመሊሱ ኣብ ልብና እናተዋግአ ረኸቦ።</verse>
				<verse number="9">ሰናክሬም፥ “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ ኽዋግአካ ይመፅእ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦</verse>
				<verse number="10">ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ “እቲ እትተኣማመነሉ ዘለኻ ኣምላኽካ ‘ኢየሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣየስሕትካ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትድሕን እትኽእል?</verse>
				<verse number="12">ኣቦታተይ፥ ንኸተማታት ጎዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፥ ኣማልኽቶምዶ ኣድሒኖምዎም እዮም?</verse>
				<verse number="13">ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ኢዋንከ ኣበይ ኣለዉ?”</verse>
				<verse number="14">ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ።</verse>
				<verse number="15">ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ኸዓ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፦</verse>
				<verse number="16">“ኦ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን።</verse>
				<verse number="18">ኦ እግዚኣብሄር፥ ነገስታት ኣሶር፥ ንዅለን ሃገራትን ምድሮምውን ከም ዘዕነዉ፥ ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም።</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥</verse>
				<verse number="22">ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ንዒቓትካን ኣባጪያትልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ፥ ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ።</verse>
				<verse number="23">ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”</verse>
				<verse number="24">ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።</verse>
				<verse number="25">ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ።</verse>
				<verse number="26">“ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ኣብኣተን ዝነብሩ፥ ሰነፉን ደንገፁን ተሃወኹን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልሙዕ ቘፅልን፥ ከም ሳዕሪ ናሕስን፥ ከምቲ እንተይበቘለ ዝሃጕጕ ዘርእን ኮኑ።</verse>
				<verse number="28">“ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ከም ዝተቘጣዕኻን እፈልጥ።</verse>
				<verse number="29">ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።</verse>
				<verse number="30">“እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’</verse>
				<verse number="33">“ስለዙይውን ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን፤ ፍላፃ ኸዓ ኣይውርውረላን፤ ዋልታ መኪቱ ኣይመፃን፤ ብቕፅሪውን ኣይኸባን እዩ።</verse>
				<verse number="34">በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኣቱን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="35">ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="36">መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።</verse>
				<verse number="37">ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ድማ፥ ስፍራኡ ሓዲጉ ኸደ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸዓ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ቤት ናስራኽ ኣምላኹ ኽሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳርን ብሰይፊ ቐተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ከዓ ሃደሙ። ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ተኪኡ ነገሰ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ።</verse>
				<verse number="3">“ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="5">“ኪድ እሞ ንሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፥ ፀሎትካ ሰሚዐ፤ ንብዓትካውን ሪአ፤ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።</verse>
				<verse number="6">ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን፥ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፥ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">“እግዚኣብሄር ንዝተናገሮ ቓል ከም ዝፍፅሞ፥ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ይኹነልካ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ነቲ ኣካዝ ኣብ ዝሰርሖ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ፀሓይ ከዓ በቲ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።</verse>
				<verse number="9">ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፤ ዝፀሓፎ ፅሑፍ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="10">ኣነ “ኣብ ማእኸል መዋእል ህይወተይ እንተለኹ፥ ናብ ደገታት ሲኦል ክኸይድ ድየ? ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ።</verse>
				<verse number="11">ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥ ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥ መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።</verse>
				<verse number="12">መሕደሪየይ ተነቐለት፤ ከም ድንኳን ጓሳ ኸዓ ኻባይ ተወሰደት፤ ህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕለልኩ፤ ንሱውን ካብ መጠቕለሊ ኽቘርፀኒ እዩ፤ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ክሳዕ ዝወግሕ ሃዲአ ተፀበኹ፤ ንሱ ግና ኸም ኣንበሳ፥ ንዅሉ ኣዕፅምተይ ሰባበሮ፤ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ከም ለዃዂቶን ከም ራዛን ጭቝጭቝ በልኩ፤ ከም ርግቢውን ቈዘምኩ፤ ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።</verse>
				<verse number="15">እንታይ እሞ ኽብል እየ፤ ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ገበሮ፤ ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዅለን ዓመታተይ፥ ብህድኣት ክመላለስ እየ።</verse>
				<verse number="16">ኦ ጐይታ፥ ሰብ በዝ ኸምዙይ እዩ ብህይወት ዝነብር፤ ህይወት መንፈሰይ ከዓ በዝ ዅሉ እዩ፤ ኣሕውየኒ፤ ህይወትውን ምለሰለይ።</verse>
				<verse number="17">እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።</verse>
				<verse number="18">ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥ ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥ እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር እዩ ዘድሕነኒ፤ ስለዙይ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዝሙራት ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።</verse>
				<verse number="21">ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ገይሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ፤ ንሱውን ክሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ።</verse>
				<verse number="2">ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">“ኣፀናንዑ፤ ንህዝበይ ኣፀናንዑ” ይብል ኣምላኽኩም።</verse>
				<verse number="2">ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።</verse>
				<verse number="3">ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ፥ ከምዙይ ይብል፦ “መንገዲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ፅረጉ፤ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ንኣምላኽና ፅርጊያ ፅረጉ።</verse>
				<verse number="4">ስንጭሮ ዝኾነ ልዕል ይበል፤ ኵሉ እምባታትን ኰረብታታትን ድማ፥ ትሕት ይበል፤ ቀይናን ይቕናዕ፤ ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”</verse>
				<verse number="6">ድምፂ፥ “ኣውጅ” በለኒ፤ “እንታይ ኢለ ኽእውጅ” በልኩ። “ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩ ኸዓ ኸም ዕምበባ ምድረ በዳ እዩ።</verse>
				<verse number="7">እስትንፋስ እግዚኣብሄር ይነፍሶሞ፥ ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”</verse>
				<verse number="9">ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።</verse>
				<verse number="12">ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="13">ንመንፈስ እግዚኣብሄር “ዝኣዘዘ፥ ወይ መኻሪ ኾይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="14">ምስ መን ተማኸረ? ወይ መን መኸሮ? ንመንገዲ ፍትሒኸ መን መሃሮ? ንፍልጠትከ መን መሃሮ? መንገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ዕትሮ ኸም ዘላ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ከም ዘላ መንገፍ እዮም ዝቝፀሩ፤ ንደሴታትውን ከም በነንታ የልዕሎም።</verse>
				<verse number="16">ሊባኖስ ንምንዳድ፥ እንስሳኡውን ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኣኽሉን።</verse>
				<verse number="17">ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ቍፅሪ ዘይኣትዉ እዮም፤ ከም ዘይረብሑ ኸም ከንቱ ነገር ይቘፅሮም።</verse>
				<verse number="18">ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”</verse>
				<verse number="19">ንዝተቐረፀ ምስሊ በዓል ሞያ እዩ ዝሰርሖ፤ ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፤ ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኽሳዕ ክንድዙይ ከውፅእ፥ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻ ድማ፥ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ይመርፅ፤ ከም ዘይነቓነቕ ምስሊ ገይሩ፥ ዘቑመሉ ኽኢላውን ይደሊ።</verse>
				<verse number="21">ኣይፈለጥኩምን ዲኹም? ወይ ኣይሰማዕኹምን ዲኹም? ካብ ጥንቲዶ እዙይ ኣይተነገረኩምን እዩ? ምድሪ ኻብ እትምስረት ጀሚሩዶ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም?</verse>
				<verse number="22">ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።</verse>
				<verse number="23">ነሕሉቕ ከም ከንቱ፥ ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም።</verse>
				<verse number="24">ገና ምስ ተተኸሉን ምስ ተዘርኡን፥ ኣብ ምድሪ እውን ሱር ምስ ሰደዱ፥ ንሱ ኡፍ በሎምሞ ነቐፁ፤ ንፋስ ኣውሎ ከዓ ኸም ብቝቡቝ ፀራረጎም።</verse>
				<verse number="25">ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።</verse>
				<verse number="26">ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።</verse>
				<verse number="27">ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ንምንታይ “መንገደይ ካብ እግዚኣብሄር ተሰዊራ እያ፤ ፍርደይ ድማ ኻብ ኣምላኸይ ሓሊፋ እያ” እትብል? ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ?</verse>
				<verse number="28">ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።</verse>
				<verse number="30">ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፤ መንእሰያት ድማ ፈፂሞም ይወድቁ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">“ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤ ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”</verse>
				<verse number="2">“ካብ ምብራቕ ንሓደ ዘልዓሎ፥ ብፅድቂውን ናብ እግሩ ዝፀውዖ መን እዩ? ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንነገስታትውን ኣግዘአሉ፤ ንሰይፉ ኸም በነንታ፥ ንቐስቱ ኸዓ፥ ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም።</verse>
				<verse number="3">ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥ መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።</verse>
				<verse number="4">ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንትውልዲታት፥ ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥ ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”</verse>
				<verse number="5">“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤ ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤ ቀረቡ፤ በፅሑውን።</verse>
				<verse number="6">ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ይሕግዝ ነበረ፤ ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!</verse>
				<verse number="9">ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥ ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤ ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥</verse>
				<verse number="10">ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ኵሎም እቶም ዝቝጥዑኻ፥ ክዋረዱን ክሓፍሩን እዮም፤ መፃርርትኻ ድማ፥ ከም ዘይነበሩ ክኾኑን ክጠፍኡን እዮም።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ዝበኣሱኻ ኽትደልዮም ኢኻ፥ ግና ኣይትረኽቦምን፤ እቶም ዝዋግኡኻ ድማ፥ ከንቱን ከም ዘይነበሩን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥ ‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤ ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤ ንዀረብታታት ከዓ፥ ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።</verse>
				<verse number="18">ኣብቶም ዝባደሙ ዀረብታታት ውሕጅ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ስንጭሮታት ከውሕዝ እየ፤ ንምድረ በዳ፥ ማይ ዝመልኦ ቓላይ፥ ንምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ምድረ በዳ፥ ዝግባን መሞናን ፀፆን ኣውሊዕን ከብቍል፥ ኣብቲ ኣፃምእ ከዓ፥ ፅሕድን ኦም ሊባኖስን ዝግባን ብሓባር ክተክል እየ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ነዝ ኵሉ ኸም ዝገበረት፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ነዙይ ከም ዝፈጠሮ፥ ሰባት ክሪኡን ክፈልጡን ክሓስቡን፥ ሓቢሮም ከስተውዕሉን እዮም።”</verse>
				<verse number="21">“ክስኹም ኣቕርቡ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ መርትዖኹም ከዓ ኣምፅኡ፤ ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ።</verse>
				<verse number="22">ይምፅኡ፥ ነቲ ዝኸውንውን ይንገሩና፤ ልቢ ኽንገብር መወዳእታኡውን ክንፈልጥ፥ እቶም ዝቐደሙ ነገራት፥ እንታይ ከም ዝኾኑ ተናገሩ፤ እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና።</verse>
				<verse number="23">ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና። ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥ እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።</verse>
				<verse number="24">እንሆ፥ ንስኻትኩም ከም ዘይነበርኩም ኢኹም፤ ተግባርኩም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቲ ዝሓረየኩም ድማ ዘፀይፍ እዩ።”</verse>
				<verse number="25">“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።</verse>
				<verse number="26">ንሕና ኽንፈልጦ፥ ሓቂ እዩውን ምእንቲ ኽንብልስ፥ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ፥ እዙይ ክኸውን ከም ዘለዎ፥ ዝተናገረ መን እዩ? ዝተናገረ የለን፥ ዝገልፅውን የለን፤ ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን።</verse>
				<verse number="27">ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።</verse>
				<verse number="28">እንተ ጠመትኩ፥ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ማእኸሎም መማኸሪ የለን፤ እንተ ጠየቕክዎም ድማ፥ መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን።</verse>
				<verse number="29">እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤ ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥ ንፋስን ከንቱን እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣይደምፅን፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ኣብ ኣደባባይ ኣየስምዕን።</verse>
				<verse number="3">ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን፤ ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="5">እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥ ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="6">“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ ኸዓ ኣዒንቲ ዕዉራት ክትከፍት፥ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፥ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ኸዓ ኻብ ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።”</verse>
				<verse number="8">“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።</verse>
				<verse number="9">እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።</verse>
				<verse number="11">በረኻን ከተማታቱን፥ ህዝቢ ቄዳር ዝነብርወን ቁሸታትን፥ ድምፆም ልዕል የብሉ፤ እቶም ኣብ ሴላ ዝነብሩ ዕልል ይበሉ፤ ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይኖም ድማ፥ ድምፂ የስምዑ።</verse>
				<verse number="12">ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤ ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤ ይፍክርን ይዝምርን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።</verse>
				<verse number="14">“ካብ ቀደም ጀሚረ ስቕ ኢለ ኣለኹ፤ ስቕ ኢለውን ተዓጊሰ ኣለኹ፤ ሕዚ ግና ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ዓው ኢለ ድምፂ አስምዕ ኣለኹ፤ ብእህታ ብምንኣኽውን አተንፍስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥ ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤ ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤ ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”</verse>
				<verse number="16">“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ብቕርፂ ምስልታት ዝእመኑ፥ ንምስልታት ፍሲ ኸዓ፥ ‘ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም’ ዝብልዎም፥ ንድሕሪት ክምለሱ እዮም፤ የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።”</verse>
				<verse number="18">“ኣቱም ፀማማት፥ ስምዑ! ኣቱም ዕዉራትውን፥ ምእንቲ ኽትሪኡስ ጠምቱ!</verse>
				<verse number="19">እንትርፊ ባርያይ፥ ዕዉር መን እዩ? ከምቲ ዝልእኾ ልኡኸይ፥ ፀማምከ መን እዩ? ከም ፈታዊየይ ዕዉር፥ ከም ባርያ እግዚኣብሄር ዕዉር መን እዩ?</verse>
				<verse number="20">ብዙሕ ነገር ረአኹም፤ ግና ኣየስተውዓልኩምን፤ ኣእዛንኩም ክፉታት እየን፤ ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።”</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅድቁ ኢሉ፥ ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤</verse>
				<verse number="22">ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።</verse>
				<verse number="23">ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ? ንሓዋሩ ኢሉ፥ ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="24">ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ቍጥዓ መዓቱን፥ ብርቱዕ ውግእን ኣፍሰሰሉ፤ ኣብ ዙርያኡ ኣንደዶ፥ ንሱ ግና ኣይፈለጠን፤ ኣቃፀሎ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="43">
				<verse number="1">ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።</verse>
				<verse number="2">ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”</verse>
				<verse number="4">“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።</verse>
				<verse number="5">ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።</verse>
				<verse number="6">ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥</verse>
				<verse number="7">ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።</verse>
				<verse number="8">“ነቶም ኣዒንቲ ዘለውዎም ዕዉራት ህዝቢ፥ ኣእዛን ዘለውዎም፥ ፀማማት ዝኾኑ ህዝቢ ኣውፅእ።</verse>
				<verse number="9">ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”</verse>
				<verse number="10">“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”</verse>
				<verse number="11">“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።</verse>
				<verse number="12">ኣነ እየ ዝነገርኩ፥ ዘድሓንኩ፥ ዘርአኹ፥ ካልእ ኣምላኽ ድማ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይነበረን። ንስኻትኩም ከዓ መሰኻኽረይ ኢኹም፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”</verse>
				<verse number="14">ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”</verse>
				<verse number="16">ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="17">መሊሶም ከይትስኡ፥ ኵላቶም ብሓደ ኽወድቑ፥ ከም መብራህቲ ጥዋፍ ክጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝነበርዎም፥ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="18">“ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸዓ ኣይትሕሰቡ።</verse>
				<verse number="19">እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ዝሓረኽዎ ህዝበይ ምእንቲ ኽሰቲ፥ ማይ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝውን ኣብቲ ምድሪ ኣፃምእ ክህብ እየሞ፥ እንስሳ በረኻን፥ ወኻርያን ሰገንን ከዓ፥ ከኽብሩኒ እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”</verse>
				<verse number="22">“ያእቆብ ንስኻ ግና ኣይፀዋዕኻንን፤ ኣታ እስራኤል ብዛዕባይ ሸለል በልካ።</verse>
				<verse number="23">ንዝቃፀል መስዋእቲ በጊዕ ኣየቕረብካለይን፤ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን። ኣነ ብእኽሊ ቝርባን ኣየሸገርኩኻን፤ ‘ዕጣን ኣቕርበለይ’ ኢለውን ኣየሰልከኹኻን።</verse>
				<verse number="24">ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዕጣን ቀረፋ፥ ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፤ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየፅገብካንን። እኳ ደኣ ብሓጢኣትካ ሸኽሚ ኾንካኒ፤ ብበደልካ ድማ ኣድከምካኒ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”</verse>
				<verse number="26">“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፤ መምህራንካ ድማ በደሉኒ።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ ንኣሕሉቕ ቤተ መቕደስካ ኣርከስክዎም፤ ንያእቆብ ንርግማን፥ ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="44">
				<verse number="1">“ሕዚ እውን ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ኣታ ዝሓረኩኻ እስራኤልውን ስማዕ።</verse>
				<verse number="2">ዝፈጠረካ፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐካ፥ ዝረድአካ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።”</verse>
				<verse number="3">“ማይ ኣብቲ ፅሙእ ቦታ፥ ወሓይዝ ከዓ፥ ኣብቲ ንቑፅ መሬት ከፍስስ እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፥ በረኸተይ ከዓ ኣብ ውሉድካ ኸውርድ እየ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ጥቓ ወሓዚ ማይ ከም ዝበቝሉ ኣእዋም ኲሓ፥ ኣብ ማእኸል ሳዕሪ ኽበቝሉ እዮም።”</verse>
				<verse number="5">“እቲ ሓደ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኽብል እዩ፤ እቲ ሓደ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፤ እቲ ሓደ ድማ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኢሉ፥ ኣብ ኢዱ ኽፅሕፍ እዩ፤ ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።”</verse>
				<verse number="6">ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።</verse>
				<verse number="7">ከማይ ዝበለ መን ኣሎ? እስቲ ይለዓል እሞ ይዛረብ፤ ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝፈጠርኩሉ ጀሚሩ፥ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ፤ ብዛዕባ እቲ ዝመፅእን፥ ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር።</verse>
				<verse number="8">ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፤ ብቐደሙዶ ኣይነገርኩኹምን እየ? ወይ ኣየርአኹኹምን ድየ? ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። ብዘይ ዘኣይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ? ካልእ ኰዅሒ የለን፤ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።”</verse>
				<verse number="9">እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም ከንቱ እዮም፤ እቲ ዝፈትውዎ ነገርውን ኣይጠቐሞምን፤ ብላሽ እዮም፤ መሰኻኽሮምውን ኣይሪኡን፤ ኣይሰምዑን፤ ክሓፍሩውን እዮም።</verse>
				<verse number="10">ሓደ እኳ ጥቕሚ ዘይብሉ፥ ኣምላኽ ዝቐርፅ መን እዩ?</verse>
				<verse number="11">እንሆ ዅሎም ብፆቱ ኽሓፍሩ እዮም፤ እቶም ሰራሕቲውን ካብ ወገን ሰብ እዮም፤ ኵላቶም ተኣኪቦም ይቑሙ፤ ክፈርሑ እዮም፤ ብሓባርውን ክሓፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ቀጥቃጢ ሓፂን፥ ቍራፅ ሓፂን ይሕዝ እሞ፥ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፤ ብመዶሻ ቐጥቂጡ ድማ ቕርፂ የውፅአሉ፤ ብሓይሊ ቕልፅሙ ይሰርሖ፤ ንሱ ይጠሚ፤ ይደክምውን፤ ማይ ኣይሰትንሞ ዓቕሚ ሰኣነ።</verse>
				<verse number="13">ፀራቢ ብገመድ ይልክዕ፤ ብርሳስ ይሕንፅፆ፤ ብመንደል ይነድሎ፤ ብመቕረፂ ይቐርፆ፤ ከም መልክዕ ሰብ፥ ከም ምልኩዕ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ እሞ፥ ኣብ መምለኺ የንብሮ።</verse>
				<verse number="14">ዝግባ ይቘርፅ፤ ወይ ኣውሕን ሳግላን የምፅእ፤ ወይ ካብ ኣእዋም ዱር ሓርዩ፥ ፅሕዲ ይተክል፤ ዝናም ድማ የብቍሎ።</verse>
				<verse number="15">ንምንዳድ ድማ ይጠቅም፤ ኣንዲዱ ይስሕነሉን እንጀራ ይስንክተሉን፤ ገሊኡ ኸዓ ፀሪቡ ኣምላኽ ይሰርሐሉ እሞ የምልኾ፤ ጣዖት ሰሪሑውን ይሰግደሉ።</verse>
				<verse number="16">ካብቲ ዕንፀይቱ ወሲዱ፥ ሓዊ ይእጕድ፤ ስጋ ጠቢሱ ኸዓ ይበልዕ እሞ ይፀግብ፤ ኣብኡ እናሰሓነ ድማ፥ “ኣሰይ እመውቕ ኣለኹ፤ ሓዊ እርኢ ኣለኹ” ይብል።</verse>
				<verse number="17">በቲ ዝተረፈ ዕንፀይቲ ድማ፥ ምስሊ ቐሪፁ ኣምላኽ ይገብሮ፤ “ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ኣድሕነኒ” እናበለ ድማ፥ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይፅልን።</verse>
				<verse number="18">እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከይሪኡ ኣዒንቶም ስለ ዝዓመቱ፥ ከየስተውዕሉ ኸዓ ልቦም ስለ ዝደፈኑ፥ ሓደ እኳ ኣይፈልጡን፤ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።</verse>
				<verse number="19">ካብዚኣቶም “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፥ ብጓህሩ ድማ እንጀራ ሰንኪተ፥ ስጋ ኸዓ ጠቢሰ በላዕኹ፤ ነቲ ተረፉዶ ዘፀይፍ ነገር ክገብረሉ? ንቝራፅ ዕንፀይቲኸ ኽሰግደሉ ድየ?” ኢሉ ናብ ልቡ ዝምለስ፥ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="20">ሓሙዅሽቲ ይበልዕ፤ ዝታለል ልቢ ኣስሒትዎ፥ “እዝ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሰትዶ ኣይኮነን” ኣይብልን፤ ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="21">“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።</verse>
				<verse number="22">ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”</verse>
				<verse number="23">ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።</verse>
				<verse number="24">“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="25">ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤ ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤ ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤ ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።</verse>
				<verse number="26">ግና ንቓል ባርያይ ኣፅንዖ፥ ንምኽሪ ልኡኻተይ እፍፅሞ እየ። ንኢየሩሳሌም ‘መንበሪ ሰብ ክትኮኒ ኢኺ’ ኢለ እነግራ፤ ከተማታት ይሁዳ ‘ክህነፃ እየን’ ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ።</verse>
				<verse number="27">ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="45">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="4">ስለ ባርያይ ያእቆብ፥ ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”</verse>
				<verse number="5">“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ የለን። ንስኻ እንተ ዘይፈለጥካኒ እኳ፥ ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣነ ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዘኣይ ከዓ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፥ ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="7">ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።</verse>
				<verse number="8">ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤ ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤ ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤ እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”</verse>
				<verse number="9">እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?</verse>
				<verse number="10">እቲ ነቦኡ “እንታይ እዩ ዝወለድካዮ?” ንኖኡ ድማ “እንታይ እዩ ዝፀዓርኪዮ?” ንዝብሎም ውሉድ ወይለኡ!</verse>
				<verse number="11">እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።</verse>
				<verse number="12">ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="13">ንቂሮስ ብፅድቂ ዘተሳእኽዎ ኣነ ባዕለይ እየ፤ ኵሉ መንገዲ ኸመዓራርየሉ እየ። ውዕለት እንተይተኸፍለ፥ ጉቦ እንተይተቐበለ፥ ንኸተማይ ከም ብሓድሽ ክሓንፃ እዩ፤ ንምሩኻተይ ድማ ብዘይ ክፍሊት፥ ወይ ብዘይ ዋጋ ኽመልሶም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥ ንኣኻ ክኾኑ እዮም። ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥ ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥ ‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’ እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኦ መድሓኒ ዝኾንካ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።</verse>
				<verse number="17">ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”</verse>
				<verse number="18">ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤ ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥ ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤ ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤ ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።</verse>
				<verse number="21">ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”</verse>
				<verse number="22">“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።</verse>
				<verse number="23">ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="24">“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።</verse>
				<verse number="25">ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="46">
				<verse number="1">“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤ ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ። ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።</verse>
				<verse number="2">ተጐምበሱ ብሓደውን ተዋረዱ፤ ነቲ ፆር ከድሕንዎ ኣይከኣሉን፤ ንርእሶምውን ተማረኹ።”</verse>
				<verse number="3">“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።</verse>
				<verse number="4">ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤ ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።</verse>
				<verse number="5">ብመን ትምስሉኒ ኣለኹም? ምስ መንከ ተመዓራርዩኒ ኣለኹም? ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="6">ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤ ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤ ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤ ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።</verse>
				<verse number="7">ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።</verse>
				<verse number="8">ነዙይ ዘክሩሞ ኣስተብህሉ፤ ኣቱም ገበነኛታት ናብ ልብኹም ተመለሱ፤</verse>
				<verse number="9">ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።</verse>
				<verse number="10">ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።</verse>
				<verse number="13">ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="47">
				<verse number="1">“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።</verse>
				<verse number="2">መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤ ጕልባብኪ ቕልዒ፤ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤ ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።</verse>
				<verse number="3">ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”</verse>
				<verse number="4">ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">“ኣቲ ባቢሎን፥ ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥ ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥ ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።</verse>
				<verse number="7">ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥ ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”</verse>
				<verse number="8">“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥ ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤ ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤ ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’ እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።</verse>
				<verse number="9">ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።</verse>
				<verse number="11">ብምክንያት እዙይ፥ ክፉእ ነገር ክመፀኪ እዩ፤ በስማትኪ ኽተርሕቕዮ ዘይትኽእሊ፥ መከራ ኽወርደኪ እዩ፤ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ፥ ድንገት ክመፀኪ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥ መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤ እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥ እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥ እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥ ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”</verse>
				<verse number="14">“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="48">
				<verse number="1">ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።</verse>
				<verse number="2">ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።</verse>
				<verse number="4">ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤ እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።</verse>
				<verse number="6">ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻ “ነዙይስ እፈልጦ ነይረ” ምእንቲ ኸይትብል፥ ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ነገር ከስምዐካ እየ።</verse>
				<verse number="8">ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ስለ ስመይ ኢለ፥ ንቝጥዓይ ከደንጕዮ እየ፤ ከየጥፍአካውን ምእንቲ ምስጋናይ ኢለ፥ ክዕገስ እየ።</verse>
				<verse number="10">ከም ብሩር ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣምከኽኩኻ፤ ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።</verse>
				<verse number="11">ንባዕለይ ኢለ፥ ምእንቲ ርእሰይ ኢለ ኽገብሮ እየ፤ ከመይ ኢለኸ ስመይ እንትንቀፍ ስቕ ክብል? ክብረይውን ንኻልእ ኣይህብን እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤ የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤ እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።</verse>
				<verse number="14">ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤ ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤ ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤ መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።</verse>
				<verse number="16">ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤ ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤ ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤ ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።</verse>
				<verse number="18">ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥ ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።</verse>
				<verse number="19">ዘርእኻ ኸም ሑፃ፥ ፍረ ኸርስኻውን፥ ከም በነንታ ምድሪ ምኾነ ነይሩ፤ ስሙውን ፈፂሙ ኣይምጠፍአን፥ ካብ ቅድመይውን ኣይምተደምሰሰን።</verse>
				<verse number="20">ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥ ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤ ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤ ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።</verse>
				<verse number="22">“ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="49">
				<verse number="1">ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="2">ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤</verse>
				<verse number="3">ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ኣነ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢረ ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ሓይለይ ኮይኑኒ እዩ፤ ንያእቆብ ናብኡ ምእንቲ ኽመልሶ፥ ንእስራኤልውን ናብኡ ምእንቲ ኽእክብ፥ ባርያኡ ክኸውን፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="6">ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ተቤዛዊኡን፥ ነቲ ሰባት ዝነዓቕዎ፥ ህዝብታት ዝፀልእዎ ባርያ ገዛእቲ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ስለ እቲ እሙን እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝመረፀካ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ነገስታት ሪኦም ክትስኡልካ፥ መሳፍንቲ ድማ ሪኦም ክሰግዱልካ እዮም።”</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥</verse>
				<verse number="9">ንእሱራት ውፁ፤ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝተቐመጡ ድማ፥ ተገለፁ ንኽትብሎም፥ ቃል ኪዳን ገይረ፥ ንህዝቢ ሂበካ ኣለኹ። በብመንገዱ ኽዋፈሩ እዮም፤ ኣብ ዝባደማ፥ ሳዕሪ ኣብ ዘይብለን ኰረብታታትውን፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም።</verse>
				<verse number="10">እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”</verse>
				<verse number="11">“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="14">ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት።</verse>
				<verse number="15">“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።</verse>
				<verse number="16">እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ደቅኺ ቐልጢፎም ክመፁ እዮም፤ መፍረስትኽን መጥፋእትኽን ከዓ፥ ክወፁልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="19">“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።</verse>
				<verse number="20">እቶም ናይ ወላድ መኻን ምስ ኮንኪ፥ ዝተወለዱልኪ ደቅኺ፥ እዝንኺ እናሰምዐ፥ ‘ስፍራ ፀቢቡና እዩ እሞ፥ እንነብረሉ ቦታ ሃብና’ ኽብሉኺ እዮም።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ብልብኺ ‘ኣነ ናይ ወላድ መኻን ኮይነ እየሞ፥ ኣነ በይነይ ምርኽትን ስጕጕትን ዝነበርኩስ፥ ነዚኣቶም መን ወለደለይ? ነዚኣቶምከ መን ኣዕበዮም? በይነይ እየ ተሪፈ ዝነበርኩ፤ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ?’ ኽትብሊ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ናብ ኣህዛብ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ዕላማይውን ናብ ህዝብታት ከቕውም እየ፤ ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቚፎም፥ ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ከምፅኡልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”</verse>
				<verse number="24">“ካብ ኢድ ሓያል ተዋጋኢዶ፥ ዝተዘምተ ኽውሰድ ይከኣል እዩ? ካብ ኢድ ጨካንከ፥ ምሩኽ ከምልጥዶ ይከኣል?”</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮም። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="50">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”</verse>
				<verse number="2">“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።</verse>
				<verse number="3">ንሰማያት ብፀልማት እኸድኖ፤ መጋረዲኡውን ወጮ እገብር።”</verse>
				<verse number="4">ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።</verse>
				<verse number="5">ጐይታ እግዚኣብሄር ንእዝነይ ከፈተለይ፤ ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን።</verse>
				<verse number="6">ዝባነይ ንገረፍቲ፥ ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤ ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥ ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።</verse>
				<verse number="7">ጐይታ እግዚኣብሄር ስለ ዝረድአኒ ኣይተሃወኽኩን፤ ንገፀይ ከም እምኒ ኣዛሒት ገበርክዎ፤ ከም ዘይሓፍር ከዓ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዘፅድቐኒ ኣብ ቀረባ እዩ፤ መን እዩ ዝሟገተኒ? ብሓደ ንቑም፤ መንከ እዩ ተፃራርየይ? ናባይ ይቕረብ። መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ዝዅንነኒ ደኣ መን እዩ? እንሆ፥ ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ፥ ባልዕውን ክበልዖም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ኵልኻትኩም፥ ነበልባልውን ዝሓዝኩም፥ በቲ ሃልሃልታ ሓዊኹምን፥ በቲ ዘንደድኩምዎ ነበልባልን ኪዱ። እምበኣር ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፤ ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="51">
				<verse number="1">“ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”</verse>
				<verse number="3">“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”</verse>
				<verse number="4">“ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤ ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤ ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።</verse>
				<verse number="5">ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።</verse>
				<verse number="6">ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”</verse>
				<verse number="7">“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤ ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤ ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።</verse>
				<verse number="8">ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤ ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤ ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”</verse>
				<verse number="9">ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?</verse>
				<verse number="10">ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥ እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥ ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥ መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?</verse>
				<verse number="11">እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?</verse>
				<verse number="13">ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="14">እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ እዩ፤ ኣይመውትን ናብ ጕድጓድውን ኣይወርድን፤ እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።”</verse>
				<verse number="15">“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤ ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="16">ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”</verse>
				<verse number="17">ነቲ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ዝሃበኪ፥ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ዝሰተኺ፥ ነቲ ዘስክር ሰንከልከል ዘብል ፅዋዕ፥ ዝሰተኽዮን ዝጨለጥክዮን፥ ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ዝመርሓ የለን፤ ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የለን።</verse>
				<verse number="19">እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፤ መንሞ ኽርህርሀልኪ እዩ? ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ጥሜትን ሰይፍን እዮም፤ ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ?</verse>
				<verse number="20">ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ኣቲ ውፅዕቲ፥ ብወይኒ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣቲ ዝሰኸርኪ ነዙይ ስምዒ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤</verse>
				<verse number="23">እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="52">
				<verse number="1">ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብመጀመርታ ኽነብር ኢሉ፥ ህዝበይ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ብድሕሪኡ ግና ኣሶር፥ በዝ ምኽንያት እዙይ ኣጨነቖ።</verse>
				<verse number="5">ህዝበይ ብኸንቱ ተወሲዱ እዩሞ፥ ሕዚ ኣብዙይ እንታይ ኣለኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ገዛእቶም የባጭውሎም ኣለዉ፤ ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”</verse>
				<verse number="7">እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!</verse>
				<verse number="8">ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።</verse>
				<verse number="14">ብዙሓት ብኡኡ ኽሳዕ ዝግረሙን ዝድንግፁን፥ ካብ ዝኾነ ሰብ መልክዑ ዝተፈለየ፥ ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ።</verse>
				<verse number="15">ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="53">
				<verse number="1">“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።</verse>
				<verse number="3">ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”</verse>
				<verse number="4">“ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማምናውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን፥ ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።</verse>
				<verse number="6">ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”</verse>
				<verse number="7">“ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።</verse>
				<verse number="8">ብምጭናቕን ብፍርድን ተወሰደ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝበይ ተወቒዑ፥ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝተወገደ፥ ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ?</verse>
				<verse number="9">ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”</verse>
				<verse number="10">“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="54">
				<verse number="1">“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤ ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥ ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤ ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤ መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤ ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤ ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።</verse>
				<verse number="3">ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤ ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤ እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥ መንበሪ ኽገብረን እዩ።</verse>
				<verse number="4">“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤ ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤ ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤ ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥ ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ።</verse>
				<verse number="5">ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤ ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።</verse>
				<verse number="6">ከም ዝተንዓቐትን ዝተሓደገትን ሰበይቲ ንእስነት፥ ከምታ ብልቢ ዝሓዘነትን ዝተፀልአትን ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ።</verse>
				<verse number="7">“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤ ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።</verse>
				<verse number="8">ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">“እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥ ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥ ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥ ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥ ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥ እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥ ክሃንፀኪ እየ፤ ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።</verse>
				<verse number="12">ንጕልላትኪ ብቐይሕ ዕንቍ፥ ንበርታትኪውን ብዘንፀባርቑ ኣዕናቝ፥ ንቕፅርታትኪውን ብዝኸበሩ ኣእማን ክሰርሖም እየ።”</verse>
				<verse number="13">“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤ ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤ ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤ ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።</verse>
				<verse number="15">እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤ ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥ ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”</verse>
				<verse number="16">“እንሆ፥ ብመናፍሕ ነፊሑ፥ ነቲ ሕመት ዘጕህሮ እሞ፥ ኣፅዋር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="17">ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="55">
				<verse number="1">“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።</verse>
				<verse number="2">ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”</verse>
				<verse number="3">“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥ ኣኽቢሩካ እዩሞ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።”</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤ ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።</verse>
				<verse number="7">ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።</verse>
				<verse number="8">“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥ እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥ ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ፥ ዘርኢ ንዘራኢ፥ እንጀራ ንተመጋቢ፥ ከም እትህብ እንተይገበረ፥ ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥</verse>
				<verse number="11">ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”</verse>
				<verse number="12">“ብሓጐስ ክትወፁ፥ ብሰላም ድማ ኽትስነዩ ኢኹም፤ እምባታትን ኰረብታታትን፥ ቀቅድሜኹም ዕልል ክብሉልኩም፥ ኵሎም ኣእዋም በረኻውን፥ ከጣቕዑልኩም እዮም።</verse>
				<verse number="13">ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="56">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥</verse>
				<verse number="2">ፍትሒ ሓልዉ፤ ፅድቅውን ግበሩ። እቲ ነዙይ ዝገብር ሰብ ብእኡውን ዝፀንዕ፥ ከየርክስ ንሰንበት ዝሕሉ፥ ክፍኣት ከይገብር ኢዱ ዝሕሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”</verse>
				<verse number="3">ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”</verse>
				<verse number="6">“ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥</verse>
				<verse number="7">ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”</verse>
				<verse number="8">እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”</verse>
				<verse number="9">“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤</verse>
				<verse number="10">ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።</verse>
				<verse number="11">የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።</verse>
				<verse number="12">‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="57">
				<verse number="1">ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን።</verse>
				<verse number="2">ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።</verse>
				<verse number="3">ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ።</verse>
				<verse number="4">ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን?</verse>
				<verse number="5">ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን?</verse>
				<verse number="6">ልሙፃት ኣእማን ግደኺ እዮም፤ ንሳቶም ብፅሒትኪ እዮም፤ ንኣኣቶም መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሎም፤ መስዋእቲ ብልዒውን ኣቕረብክሎም። እሞኸ በዝ ነገር እዙይዶ ኣይቍጣዕን?</verse>
				<verse number="7">ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ድሕሪ ማዕፆን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፤ ንኣይ ሓዲግኪ ንኻልእ ተቐላዕኺ፤ ንመደቀሲኺውን ወፂእኺ ኣግፋሕኽዮ፤ ምስኣቶም ድማ ኺዳን ኣተኺ፤ ኣብ ኵሉ ዝረአኽዮ ቦታ፥ መደቀሲኦም ፈተኺ።</verse>
				<verse number="9">ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፤ ሽቱውን ኣብዛሕኺ፤ ልኡኻትኪውን ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፤ ክሳዕ ሲኦልውን ተዋረድኪ።</verse>
				<verse number="10">ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን።</verse>
				<verse number="11">“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ኣነስ ፅድቅኽን ስራሕኽን ክነግር እየ፤ ግና ኣይጠቕመክን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።”</verse>
				<verse number="14">“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።</verse>
				<verse number="15">“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።</verse>
				<verse number="16">ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።</verse>
				<verse number="17">ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።</verse>
				<verse number="18">“መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ።</verse>
				<verse number="19">ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="20">እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ማያቱውን ጭቃን ርስሓትን የውፅእ እዩሞ።</verse>
				<verse number="21">ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="58">
				<verse number="1">“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።</verse>
				<verse number="2">በብመዓልቲ ግና ንኣይ ይደልዩ፤ መንገድታተይ ክፈልጡ ድማ ይፈትዉ፤ ከምቲ ፅድቂ ዝገብርን፥ ሕግጋት ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝቢ፥ ቅኑዕ ፍርዲ ይልምኑኒ፤ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡውን ይደልዩ።”</verse>
				<verse number="3">“ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="4">እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ?</verse>
				<verse number="6">“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="7">እንጀራኻ ንጥሙይ ክተካፍል፥ ነቶም ዝተሰደዱ ድኻታት ኣብ ቤትካ ኽተእቱ፥ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድን፥ ካብ ዘመድ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="8">“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽምልሰልካ እዩ፤ ክተእዊ ኢኻ፤ ንሱ ድማ ‘እኒሀኹ’ ኽብለካ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ነርዑት ባርነትን፥ ንናይ ንዕቐት ምውጥዋጥ ኣፃብዕትን፥ ንሕማቕ ዘረባን፥ ካብ ማእኸልካ እንተ ኣርሒቕካ፥ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፥ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተፅገብካ፥ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ፀልማት ክበርህ፥ ፀልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="13">“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥</verse>
				<verse number="14">ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="59">
				<verse number="1">እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።</verse>
				<verse number="2">ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።</verse>
				<verse number="3">ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።</verse>
				<verse number="4">ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።</verse>
				<verse number="5">እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ።</verse>
				<verse number="6">ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።</verse>
				<verse number="10">ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና።</verse>
				<verse number="11">ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።</verse>
				<verse number="12">“በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና።</verse>
				<verse number="13">ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="15">ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”</verse>
				<verse number="16">ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።</verse>
				<verse number="17">ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።</verse>
				<verse number="18">ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="21">ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="60">
				<verse number="1">ብርሃንኪ መፂኡ እዩሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ወፂኡልኪ እዩ እሞ፥ ተስኢ ኣብርሂ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥ ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤ ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ህዝብታት ናብ ብርሃንኪ፥ ነገስታት ከዓ፥ ናብ ፀዳል ምብራቕኪ ኽመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኪቦም፥ ናባኺ ይመፁ ኣለዉ፤ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፥ ክመፁ እዮም፤ ንኣዋልድኪውን ኣብ ማእገሮም ተሰኪሞምወን፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ምልኣት ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኽምለስ፥ ሃብቲ ኣህዛብ ከዓ፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩሞ፥ ርኢኺ ደስ ክብለኪ እዩ፤ ልብኺውን ክድነቕን ክሰፍሕን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብዙሓት ኣግማል፥ ኣግማል ምድያምን ጌፌርን፥ ክሽፍኑኺ እዮም፤ ንምድርኺ ኽመልእዋ እዮም፤ እወ፥ ኵላቶም ወርቅን ዕጣንን ፅዒኖም፥ ካብ ሳባ ኽመፁ፥ ምስጋና እግዚኣብሄር ድማ፥ ክነግሩ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ኵላቶም መጓሰታት ቄዳር ናባኺ ኽእከቡ፥ ማጓሉ ነባዮትውን ከገልግሉኺ፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም። ንኣይ ዘሐጕስ መስዋእቲ ኾይኖም ከዓ፥ ኣብቲ መሰውኢየይ ክወፁ እዮም፤ ኣነውን ንቤት ክብረይ፥ ከኽብር እየ።</verse>
				<verse number="8">ርግቢታት ናብ ሰፈረን ከም ዝበራ፥ እዞም ከም ደመና ዝበሩ እዚኣቶም እንመን እዮም?</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩሞ፥ ስለ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪን፥ ስለ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ምእንቲ ኸምፅኣስ፥ ደሴታትን መራኽብ ተርሴስን፥ ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="10">“ብቝጥዓይ ወቒዐኪ ነይረ፤ ሕዚ ግና ብርህራሀይ ምሒረኪ እየ እሞ፥ ደቂ መፃእተኛታት ንቕፅርኺ ኽነድቅዎ፥ ነገስታቶም ከዓ ኸገልግሉኺ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ሰባት ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸምፅኡልኪ፥ ነገስታቶም ድማ ተዓጂቦም ክኣትዉኽስ፥ ደገታትኪ ዅልሻዕ ኽፉት ክኸውን እምበር፥ ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ዘይግዝኡኺ ህዝብታትን መንግስታትን ግና ኽጠፍኡ፥ እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምውን ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።”</verse>
				<verse number="13">“ነታ ስፍራ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ ኽሽልምዋ፥ ካብቲ ኽብሪ ሊባኖስ ዝኾነ ዱር፥ ፅሕድን ዝግባን ኦም ሊባኖስን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ኣነውን ነቲ መርገፂ እግረይ ዝኾነ ቦታ፥ ከኽብሮ እየ።</verse>
				<verse number="14">ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”</verse>
				<verse number="15">“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።</verse>
				<verse number="16">ፀባ ኣህዛብ ክትሰትዪ፥ ኣጥባት ነገስታት ከዓ ኽትጠብዊ ኢኺ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፥ እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ ተቤዛዊኺ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="17">“ክንዲ ነሃስ ወርቂ፥ ክንዲ ሓፂን ብሩር፥ ክንዲ ዕንፀይቲ ነሃስ፥ ክንዲ እምኒውን ሓፂን ከምፅአልኪ እየ፤ መራሕትኺ ‘ሰላም’፥ ገዛእትኺ ድማ ‘ፅድቂ’ ኽገብር እየ፤</verse>
				<verse number="18">ድሕሪዙይ ዓመፅ ኣብ ምድርኺ፥ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ወሰንኪ፥ ኣይስማዕን እዩ፤ ግና ንቕፅርታትኪ ‘ድሕነት’ ንደገታትኪ ኸዓ፥ ‘ምስጋና’ ኢልኪ ኽትፅውዕየን ኢኺ።”</verse>
				<verse number="19">“ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥ ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።</verse>
				<verse number="20">መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።</verse>
				<verse number="22">እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥ እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥ ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥ ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="61">
				<verse number="1">ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።</verse>
				<verse number="2">ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።</verse>
				<verse number="3">“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሰታትኩም ክጓስዩ፥ መፃእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን፥ ተኸናኸንቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር” ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤ ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ፤ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ፥ ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">ክንዲ ነውርኹም፥ ካዕበት ክትቅበሉ፥ ክንዲ ፀርፍኹም፥ ብዕድልኩም ክትሕጐሱ ኢኹም። ስለዙይ ኣብ ሃገሮም ክልተ ዕፅፊ ኽገዝኡ፥ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም።</verse>
				<verse number="8">“ኣነ እግዚኣብሄር ፍርዲ ዝፈቱ፥ ስርቅን በደልን ዝፀልእ እየ፤ ፍዳኦም ብሓቂ ኽፈድዮም፥ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ምስኣቶም ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="9">ዘርኣቶም፥ ኣብ ኣህዛብ፥ ትውልዶም ከዓ፥ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኸውን እዩ፤ እቶም ዝርኢዎም ዅሎም፥ እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም፥ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥ ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥ ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="62">
				<verse number="1">ፅድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድሓና ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ፋና ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ስለ ፅዮን ስቕ ኣይብልን፤ ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ።</verse>
				<verse number="2">ኣህዛብ ንፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ፥ ንኽብርኺ ኽርእይዎ እዮም፤ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።</verse>
				<verse number="3">ብኢድ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ኣኽሊል፥ ብኢድ ኣምላኽኪ ድማ፥ ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ምድርኺ ኸዓ ድሕሪ ደጊም፥ ዑና ኣይትብሃልን እያ። እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ፥ ምድርኺውን ሰብኣይ ክተእቱ እያሞ፥ ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤</verse>
				<verse number="7">እወ፥ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘፅንዓ፥ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ፥ ዕረፍቲ ኣይተሃብዎ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።</verse>
				<verse number="9">ግና እቶም ዝኣከብዎ ኽበልዕዎ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸመስግንዎ እዮም። እቶም ዝኣከብዎውን፥ ኣብ ዓፀድ መቕደሰይ ኮይኖም ክሰትይዎ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="63">
				<verse number="1">እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።”</verse>
				<verse number="2">ስለ ምንታይ ደኣ ኽዳንካ ቐይሐ? ስለ ምንታይከ ኣልባስካ፥ ነቲ ኽዳን ረጋፅ ዘቢብ መሰለ?</verse>
				<verse number="3">“ኣነ በይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረገፅክዎ፤ ካብ ህዝብታት ከዓ፥ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብቝጥዓይ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ክዳውንተይ ከዓ ብደሞም ተነፅገ፤ ኣልባሰይውን ብደም ተፀየቐ።</verse>
				<verse number="4">ዝብቀለላ መዓልቲ ኣብ ልበይ ኣላ፤ ንህዝበይ ዝብይዘወላ ዓመትውን መፂኣ እያሞ።</verse>
				<verse number="5">ተመልከትኩ፤ ሓጋዚ ኸዓ ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ኣይነበረን እሞ ተገረምኩ። ስለዙይ ቅልፅመይ ድሕነት ኣምፅአለይ፤ ቍጥዓይ ከዓ ሓገዘኒ።</verse>
				<verse number="6">ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፥ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ንሱ ንናይ ቅድም ዘመንን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፤ “እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ ዘውፅኦም ሕዚ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንቕዱስ መንፈሱ፥ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="12">እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="13">እቲ ኸም ኣብ ምድረ በዳ ዝሓልፍ ፈረስ፥ ኣብ ዓሚቝ ማያት ባሕሪ ኸይተዓንቀፉ ኽሓልፉ ዝገበረ ኣበይ ኣሎ?”</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።</verse>
				<verse number="16">ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ቕዱስ ህዝብኻ፥ ነታ ምድሪ ንሓፃር ዘመን ጥራሕ ተረስተያ፤ ሕዚ ግና ፀላእትና፥ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዋ።</verse>
				<verse number="19">ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይገዛእኻዮም፥ ከምቶም ብስምካ ዘይፅውዑ ዄንና ኣለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="64">
				<verse number="1">ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! እምባታት ኣብ ቅድሜኻ መንቀጥቀጡ።</verse>
				<verse number="2">ስምካ ኣብ ፀላእትኻ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ከምቲ ሓዊ ንጭራሮ ዘንድዶ፥ ንማይውን ዘፍልሖ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ቐጥቀጥ ምእንቲ ኽብሉ፥</verse>
				<verse number="3">ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።</verse>
				<verse number="4">ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።</verse>
				<verse number="5">ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና?</verse>
				<verse number="6">ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="8">ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና።</verse>
				<verse number="9">ኦ እግዚኣብሄር፥ የመና ኣይትቈጣዕ፤ በደልውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። በይዛኻ ተመልከተና፤ እንሆ ዅልና ህዝብኻ ኢና።</verse>
				<verse number="10">ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።</verse>
				<verse number="11">እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስግኑላ ዝነበሩ፥ ቅድስትን ክብርትን ቤትና፥ ብሓዊ ነደደት፤ ኵሉ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን በረሰ።</verse>
				<verse number="12">ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝ ኵሉ ኾይኑ፥ ክትዕገስ ዲኻ? ብሓቂዶ ስቕ ክትብል ኢኻ? ብዘይ መጠንዶ ኽተጨንቐና ኢኻ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="65">
				<verse number="1">“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።</verse>
				<verse number="3">እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ መቓብራት ይቕመጡ፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ይሓድሩ፤ ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፤ ቍራዓቶም ብዝረኸሰ መረቕ ዝመልኡ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።</verse>
				<verse number="6">“እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍረ ወይኒ ኣብ ዘለላኡ ኽርከብ እንተሎ ‘በረኸት ኣለዎ እሞ፥ ኣይተጥፍእዎ’ ኸም ዝበሃል፥ ኣነውን ምእንቲ እቶም ባሮተይ ኢለ፥ ከምኡ ኽገብር እየ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">“ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥</verse>
				<verse number="12">ፀዊዐኩም ስለ ዘይመለስኩምለይ፥ ተዛሪበኩምውን ስለ ዘየድመፅኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ነቲ ዘሐጕሰኒ ኸዓ ስለ ዘይመረፅኩም፥ ንሰይፊ መዲበኩም ኣለኹ፤ ኵልኻትኩም ንመሕረዲ ኽትጕንበሱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">እንሆ፥ ባሮተይ ካብ ሓጐስ ልቢ ዝተልዓለ ዕልል ክብሉ፥ ንስኻትኩም ግና ኻብ ጓሂ ልቢ ዝተልዓለ ኽትግዕሩ፥ መንፈስኩም ስለ ዝተሰብረ ኸዓ፥ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።”</verse>
				<verse number="17">“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ፥ እቶም ቀዳሞት ኣይዝከሩን፤ ኣብ ልቢውን ኣይሕሰቡን እዮም።</verse>
				<verse number="18">እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።</verse>
				<verse number="21">ገዛውቲ ኽሰርሑ፥ ክነብሩለንውን እዮም፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፥ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ዕድመ ህዝበይ፥ ከም ዕድመ ኦም ነዊሕ ክኸውን፥ ሕሩያተይ ድማ፥ ፃማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይሰርሑን፤ ካልኦት ፍረኡ ዝበልዕዎ ወይኒ ኸዓ፥ ኣይተኽሉን እዮም።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።</verse>
				<verse number="24">ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።</verse>
				<verse number="25">ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="66">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?</verse>
				<verse number="2">ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።</verse>
				<verse number="3">“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።”</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ብቓሉ እትንቅጥቀጡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ “እቶም ዝፀልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዘሳጕጉኹምን ኣሕዋትኩም፥ ‘ንስኻትኩም እንትትሕጐሱ ኽንርእስ እስኪ እግዚኣብሄር ይኽበር’ ይብሉ። ግና ንሳቶም ክሓፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ብርቱዕ ድምፂ፥ እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ፥ ድምፂ እቲ ንፀላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="7">“ቅልውላው እንተይሓዛ ወለደት፤ እንተይተፅዓረት ከዓ ወዲ ወለደት።</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ኸምዙይ ዝበለኸ መን ረአየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ? ህዝቢኸ ብሓንቲ ጊዜዶ ይውለድ እዩ? ፅዮን ግና ቕልውላው ምስ ሓዛ ሽዑ ንሽዑ እንተይተፅዓረት ደቃ ወሊዳ እያሞ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ኣብ ጊዜ ምውላድ ዘብፃሕኹስ፥ ከም እትወልድዶ ሓይሊ ኽህብ ኣይክእልን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፥ ንማህፀንዶ እዓፁ እየ?” ይብል ኣምላኽኪ።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ንኢየሩሳሌም እትፈትውዋ ዅልኻትኩም፥ ምስኣ ተሓጐሱ፤ ብኣኣ ኸዓ ደስ ይበልኩም፤ ኣቱም ዝበኸኹምላ ዅልኻትኩም፥ ምስኣ የመና ተሓጐሱ፤</verse>
				<verse number="11">ዘፀናንዑ ኣጥባታ ኽትጠብዉ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ክንዲ ዝደለኹም ሰቲኹም ድማ፥ ደስ ክብለኩም እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።”</verse>
				<verse number="15">ቍጥዓኡ ብመዓት፥ መግናሕቱ ኸዓ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፥ እንሆ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመፅእ እዩ፤ ሰረገላታቱውን ከም ንፋስ ኣውሎ ክኾና እየን።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ብሓዊን ብሰይፍን ክፈርድ እዩሞ፥ እቶም ብእግዚኣብሄር ተወጊኦም ዝሞቱ ኸዓ፥ ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="17">“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">“ኣነ ግብሮምን ሓሳባቶምን እፈልጥ እየሞ፥ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ኽመፁን ክብረይ ክሪኡን እዮም።</verse>
				<verse number="19">ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="21">“ካህናትን ሌዋውያንን ዝኾኑ ኸዓ፥ ካብኣቶም ክወስድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="22">“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="23">“ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="24">“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="24">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥</verse>
				<verse number="2">ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="9">ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።</verse>
				<verse number="10">ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪዙይ “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነ ድማ “በትሪ ኦም ለውዚ እርኢ ኣለኹ” ኢለ መለስኩሉ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከዓ “ፅቡቕ ርኢኻ፥ ንቓለይ ክተግሀሉን ከም ዝፍፀም ክገብሮን እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="13">ንኻልኣይ ጊዜ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነውን “ገፁ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዝፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣለኹ” በልኩ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ።</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="18">እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፤</verse>
				<verse number="2">“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="3">“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤ በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤ ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤ ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ኵልኻትኩም ዓሌት ቤት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤</verse>
				<verse number="5">“ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥ ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥ ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥ እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም “እቲ ኻብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአና፥ ብምድረ በዳ፥ ብምድሪ ፅምዋን ድንጕርን፥ ብምድሪ ኣፃምእን ብፀልማትን፥ በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን፥ ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሐና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይጠየቑን።”</verse>
				<verse number="7">“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥ ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤ ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”</verse>
				<verse number="8">“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”</verse>
				<verse number="9">“ስለዙይ ምሳኻትኩም ክከራኸር እየ፤ ምስ ደቂ ደቅኹምውን ክከራኸር እየ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="10">“ተሳጊርኩም ክሳዕ ደሴት ኪቲም ኪዱሞ ረአዩ፤ ክሳዕ ምድሪ ቄዳርውን ለኣኹ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ፤ ቅድሚ እዙይ ከምዙይ ዝመሰለ ነገር፥ ተገይሩ እንተ ኾይኑ ተመልከቱ።”</verse>
				<verse number="11">“ናይ ብሓቂ ደኣ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እምበር፥ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ንኽብሮም፥ ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።”</verse>
				<verse number="12">ህዝበይ ክልተ ኽፉኣት ነገራት ገይሮም እዮምሞ፤ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ንዝኾንኩ ንኣይ ሓደጉኒ፤ ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥ ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም፤ ኣቱም ሰማያት፥ በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤ የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ብሓቂ እስራኤል ባርያ ድዩ? ወይ ኣብ ቤት ዝተወለደ ባርያ ደኾን እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ?</verse>
				<verse number="15">ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤ ድምፆምውን ኣስምዑ፤ ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤ ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ሜምፎስን ጣፍናስን ኣነወሩኽን ኣላገፁልክን።</verse>
				<verse number="17">እዝ ዅሉ ዝወረደኪ ብቕኑዕ መንገዲ ንዝመርሐኪ፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="18">ካብ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ፥ ብመንገዲ ግብፂ እንታይ ጉዳይ ኣለኪ? ካብ ፈለግ ኤፍራጥስ ማይ ክትሰትዪኸ፥ ብኣሶር መንገዲ እንታይ ኣለኪ?</verse>
				<verse number="19">ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="20">ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ኸም ሕሩይ ሃረግ ወይኒ፥ ካብ ፅሩይ ዘርኢ ገይረ ተኸልኩኺ፤ ከመይ ኢልኪ ደኣ፥ ናብ ድቃላ ሃረግ ወይኒ ተለወጥኪ?</verse>
				<verse number="22">ብሽብጢ እኳ እንተ ተሓፀብኪ፥ ብዙሕ ሳሙናውን እንተ ተጠቐምኪ፥ ኣብ ቅድመይ ብሓጢኣትኪ ረኺስኪ ኣለኺ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="23">ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዝለመደት፥ ንድልየታ ንፋስ ከም እተሽትት፥ ካብ ድልየታ ኽኽልክል ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ኣድጊ በረኻ ኾንኪ፤ ዝደልይዋ ዅላቶም ኣይደኽሙን፤ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ።</verse>
				<verse number="25">እግርኺ ጥራሑ ኻብ ምዃን፥ ጐረሮኺ ድማ ኻብ ምፅማእ ማይ ከልክሊ፤ ንስኺ ግና “ጓኖት ፈትየ ኣለኹ፤ ደድሕሪኣቶም ክስዕብ እየ እሞ፥ እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ።</verse>
				<verse number="28">“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።</verse>
				<verse number="29">ኵልኻትኩም ካባይ ከዲዕኹም ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ እትከራኸሩኒ? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="30">ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።</verse>
				<verse number="31">ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?</verse>
				<verse number="32">ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ።</verse>
				<verse number="33">ፍቕሪ ንምድላይ መንገድኺ ኸመይ ተቕንዒ ኣለኺ፤ ስለዙይውን ንኽፉኣት ኣንስቲ እኳ መንገድኺ ምሂርክየን ኢኺ።</verse>
				<verse number="34">ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥</verse>
				<verse number="35">‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።</verse>
				<verse number="36">ስለ ምንታይ መንገድኺ ንምልዋጥ ትጐዪ ኣለኺ? ኸምቲ ብኣሶር ዝተዋረድኪ፥ ብግብፂ ኸዓ ኽትዋረዲ ኢኺ።</verse>
				<verse number="37">ኢድኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወፂ ኢኺ። ነቶም እትእመንዮም፥ እግዚኣብሄር ደርቢይዎም እዩሞ፥ ብኣኣቶም ኣይቐንዐክን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።</verse>
				<verse number="3">ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።</verse>
				<verse number="4">“ሕዚ ኸዓ እንሆ ‘ኣቦይን መሓዛ ንእስነተይን ንስኻ ኢኻ፤ ኢልኪዶ ትፅውዕኒ ኣየለኽን?</verse>
				<verse number="5">ንዅልሻዕዶ ይቝጣዕ እዩ? ኽሳዕ መወዳእታውን ክቝጣዕ ድዩ?’ ትብሊ ኣለኺ፤ ግና እንሆ ኽሳዕ ዝኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።”</verse>
				<verse number="6">ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።</verse>
				<verse number="7">እዝ ዅሉ ምስ ገበረት ከዓ ናባይ ክትምለስ እያ ኢለ ነይረ፤ ግና ኣይተመለሰትን። እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኸዓ ነዙይ ረአየት።</verse>
				<verse number="8">ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ!</verse>
				<verse number="9">ብቕለት ምንዝርናኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፤ ምስ እምንን ምስ ኦምን ከዓ ዘመወት።</verse>
				<verse number="10">ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ፥ እታ ኸዳዕ እስራኤል ዝሐሸ ፀዲቓ ተረኽበት።</verse>
				<verse number="12">ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="15">ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም።</verse>
				<verse number="16">በቲ ዘመን እቱይ ምስ በዛሕኹምን ኣብቲ ምድሪ ኸዓ ምስ ተፋረኹምን፥ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይዛረቡን፤ ኣይሓስብዎን፥ ኣይዝክርዎን ድማ እዮም። ኣየድልዮምን እዩ፤ ከም ብሓድሽውን ኪዳን ታቦት ኣይስራሕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም።</verse>
				<verse number="18">በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”</verse>
				<verse number="19">“ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅ ምሩፅ ምድሪ ርስቲ ኣህዛብ፥ ክህበኪ እየ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ እውን ‘ኣቦይ’ ኢልኪ ኽትፅውዕኒ፥ ንኣይ ካብ ምኽታልውን፥ ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።”</verse>
				<verse number="20">“ግና ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ከምታ ንሰብኣያ እትኸድዕ ሰበይቲ፥ ጠለምኩምኒ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="21">መንገዶም ስለ ዘበላሾዉን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፥ ድምፂ ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል፥ ኣብ እምባታት ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።</verse>
				<verse number="23">ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።</verse>
				<verse number="24">ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ድኻም ኣቦታትና፥ ኣባጊዖምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኣዋልድን ኣወዳትን፥ ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ።</verse>
				<verse number="25">ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥ ንሕናን ኣቦታትናን፥ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤ ነውርና ኸዓ የጐልብበና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፅግእኹም ሕረሱ፤ ኣብ እሾዅ ኣይትዝርኡ።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”</verse>
				<verse number="5">ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምፅእ እየሞ፥ “ናብ ፅዮን ኣቢሉ ዘመልክት ሰንደቕ ዕላማ” ትኸሉ፤ መፀግዒ ድለዩ፤ ኣይትደንጕዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።</verse>
				<verse number="9">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንነገስታትን ንመኳንንትን ልቦም ክጠልሞም፥ ካህናት ክድንግፁ፥ ነቢያትውን ክድንፀዉ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።</verse>
				<verse number="11">በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ።</verse>
				<verse number="13">እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!</verse>
				<verse number="14">ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?</verse>
				<verse number="15">ካብ ዳን ድምፂ ይስማዕ፤ ካብ እምባታት ኤፍሬምውን ናይ መከራ ወረ ይውረ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">እንሆ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ይፍክሩለን ኣለዉ ኢልኩም ንኣህዛብ ንገርዎም፥ ንኢየሩሳሌምውን ኣፍልጥዋ።</verse>
				<verse number="17">ንኣይ ስለ ዝተፃረረት፥ ከም ሓለውቲ ግራት ኮይኖም ብዅሉ ወገና ይኸብዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ኦ ይሁዳ፥ ነዙይ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ዝወርድ ዝገበረ፥ ኣካይዳኽን ግብርኽን እዩ፤ እዙይ መሪር እዩሞ፥ ናብ ልብኺ ይበፅሕ።</verse>
				<verse number="19">ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።</verse>
				<verse number="20">ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይወርድ ኣሎ፤ ኵላ እታ ሃገር ዓንያ እያ፤ ድንኳናትና ብድንገት፥ መጋረጃታትና ድማ ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ።</verse>
				<verse number="21">ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?</verse>
				<verse number="22">“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”</verse>
				<verse number="23">ንምድሪ ጠመትክዋ፤ እንሆ ኸዓ ባዶ ምድረ በዳ ነበረት። ንሰማያትውን ጠመትክዎም፤ ብርሃን ከዓ ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="24">ንእምባታት ጠመትክዎም፤ እንሆ ኸዓ ራዕራዕ ይብሉ፤ ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ጠመትኩ፤ እንሆ ሰብ ኣይነበረን፤ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በሪረን ነበራ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ቍጥዓኡን፥ እታ ፈራይት ምድሪ፥ ምድረ በዳ ኾነት፥ እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”</verse>
				<verse number="28">ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥ ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥ ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤ ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥ ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም። ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤ ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።</verse>
				<verse number="30">ኣቲ ዝዓኖኺኸ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ? ቀይሕ ክዳን እትኽደኒ፥ ሽልማት ወርቂ እትሽለሚ፥ ኵሕሊውን እትኰሓሊ፥ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይፂ ዘለኺ፤ ፈተውትኺ ንዒቖምኺ፤ ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="31">ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።</verse>
				<verse number="2">“ህያው እግዚኣብሄር” ኢሎም እኳ እንተ መሓሉ፥ ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኸዓ “እዚኣቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን ሕግጋት እግዚኣብሄርን ስለ ዘይፈለጡ፥ ብርግፅ ድኻታትን ሰነፋትን እዮም።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፥ ንሳቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን፥ ሕጊ ኣምላኾምን ዝፈልጡ እዮም እሞ፥ ክነግሮም” በልኩ። ግና እዚኣቶምውን ሓቢሮም ኣርዑት ሰበሩ፥ መእሰሪውን በተኹ።</verse>
				<verse number="6">በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።</verse>
				<verse number="7">“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።</verse>
				<verse number="8">ከምቶም ብኽንክን ዝተቐለቡ፥ ውዑያት ኣፍራስ ከዓ ኾኑ፤ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብፃዩ ይንህር።</verse>
				<verse number="9">ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”</verse>
				<verse number="10">“ናብ ቅፅራ ደይብኩም ኣፍርሱ፤ ግና ፈፂምኩም ኣይተጥፍእዎ፤ እቲ ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን እሞ ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ፈፂሞም ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="12">ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና።</verse>
				<verse number="13">እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።</verse>
				<verse number="16">መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ግና በተን መዓልቲታት እቲኣተን እውን፥ ፈፂመ ኣየጥፍአኩምን እየ።</verse>
				<verse number="19">‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነዙይ ኣብ ያእቆብ ኣውርዩ፤ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ንገሩ፤ ከምዙይውን በሉ።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።</verse>
				<verse number="22">ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።</verse>
				<verse number="23">እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ግና፥ እምቢተኛን ከዳዕን ልቢ ኣለዎም፤ ንድሕሪት ተመሊሶም ዕዝር በሉ።</verse>
				<verse number="24">ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።</verse>
				<verse number="25">በደልኩም ነዙይ ኣትረፈልኩም፤ ሓጢኣትኩምውን ሰናይ ነገር ከይትቕበሉ ኣኽለአኩም።</verse>
				<verse number="26">“ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="27">ከምቲ እንዳ ዒፍ በዕዋፍ ዝመልእ፥ ከምኡ ድማ ቤቶም ብጥበራ ዝተመልአ እዩ። ስለዙይ ዓበይትን ሃብታማትን ኮኑ፤</verse>
				<verse number="28">ረጐዱ፤ ሰብሑ። ንኽፍኣቶም ወሰን የብሉን፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።</verse>
				<verse number="29">“በዝ ነገር እዙይዶ ኣነ ኣይቐፅዖምን እየ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዝበለ ህዝብዶ ኽብቀሎ ኣይግብአንን እዩ?</verse>
				<verse number="30">ኣብታ ሃገር እቲኣ ጉድን ዘስካሕክሕን እዩ ዝግበር ዘሎ።</verse>
				<verse number="31">ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።</verse>
				<verse number="2">ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ።</verse>
				<verse number="3">ጓሶት ምስ መጓሰታቶም ናብኣ ይመፁ። ድንኳናቶም ከዓ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ኣብኣ መጓሰኦም የዋፍሩ።</verse>
				<verse number="4">“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።</verse>
				<verse number="5">ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።”</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ።</verse>
				<verse number="7">ዒላ፥ ማይ ከም ዘፈልፍል፥ ከምኡ ኸዓ ኽፍኣት ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመፅን ጥፍኣትን ይስማዕ ኣሎ፤ ሕማምን ቍስልን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”</verse>
				<verse number="10">ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።</verse>
				<verse number="14">ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="15">ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።</verse>
				<verse number="17">ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።</verse>
				<verse number="18">“ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="19">ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።</verse>
				<verse number="23">ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="24">“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።</verse>
				<verse number="25">ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”</verse>
				<verse number="26">“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።</verse>
				<verse number="27">መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ።</verse>
				<verse number="28">ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።</verse>
				<verse number="29">እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ኣወጊድዎም እዩሞ ‘ዝተወገዱ ብሩር’ ኢሎም ክፅውዕዎም እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።</verse>
				<verse number="4">መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ።</verse>
				<verse number="5">“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥</verse>
				<verse number="6">ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥</verse>
				<verse number="7">ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።</verse>
				<verse number="8">“እንሆ፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ዘይጠቅም ቃል ሓሰት ትተኣማመኑ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="9">ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="10">መፂእኹምውን ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ኣብዝ ቤት እዙይ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይምኩም፥ እዝ ፅዩፍ ዝኾነ ነገር ኣይገበርናን በልኩም።</verse>
				<verse number="11">እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉትዶ ኾይና እያ? እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ሪአዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ ሴሎ ዝገበርክዎ፥ ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ብእትተኣማመኑሉ ቤት፥ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ኣብ ዝሃብክዎ ስፍራ ኸምኡ ኽገብር እየ።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እምበኣር ኣይሰምዐካን እየ እሞ፥ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ኣይትማህለል፤ ኣይትፀሊ፤ ላሕውን ኣይተብለኒ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ?</verse>
				<verse number="18">ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="20">ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="21">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ ኻልእ መስዋእትኹም ወስኽዎ እሞ፥ ነቲ ስጋኡውን ብልዑ።</verse>
				<verse number="22">ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ብናይ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን።</verse>
				<verse number="23">እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።</verse>
				<verse number="24">“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።</verse>
				<verse number="25">ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዅላቶም ኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ኣብ ፀፅባሕውን ለኣኽኩልኩም።</verse>
				<verse number="26">ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ።</verse>
				<verse number="27">“እዝ ዅሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፥ ኣይሰምዑኻን እዮም፤ እንተ ፀዋዕኻዮምውን ኣይምልሱልካን እዮም።</verse>
				<verse number="28">ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ።</verse>
				<verse number="29">“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።</verse>
				<verse number="30">“ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ።</verse>
				<verse number="31">ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="32">ስለዙይ ከዓ እንሆ፥ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ወዲ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። ካልእ ስፍራ ስለ ዝተስአነ ድማ፥ ኣብ ቶፌት ሰባት ክቐብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="33">ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="34">እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">“በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸምዙይ ክብሎም ነገረኒ፦ “ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትስእን እዩ? ዝሰሓተኸ ኣይምለስን ድዩ?</verse>
				<verse number="5">ህዝቢ ኢየሩሳሌም ደኣ ስለ ምንታይ ኵልሻዕ ንድሕሪት ዝምለስ? ኣብ ተንኰል ፀኒዖም ምምላስውን ይኣብዩ።</verse>
				<verse number="6">ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ።</verse>
				<verse number="7">ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፤ ባሪቶን ለዃዂቶን ዓያን ዝምለሳሉ ጊዜያት ይፈልጣ፤ ህዝበይ ግና ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="8">ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም።</verse>
				<verse number="9">እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?</verse>
				<verse number="10">ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።</verse>
				<verse number="11">ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="12">ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">“ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ።</verse>
				<verse number="16">ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”</verse>
				<verse number="17">“እንሆ፥ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገበላትን ክሰደልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽነድፉኹም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”</verse>
				<verse number="20">እቶም ህዝቢ ኸዓ “ቐውዒ ሓለፈ፤ ሓጋይ ተወድአ፤ ንሕና ኸዓ ኣይደሓንናን።”</verse>
				<verse number="21">ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ገለዓድዶ ዝልከ ፈውሲ የለን እዩ? ኣብኡኸ ሓኪምዶ የለን እዩ? ጓል ህዝበይ ደኣ ስለ ምንታይ ዘይተፈወሰት?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!</verse>
				<verse number="2">ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ንልሳኖም ከም ቀስቲ ገይሮም፥ ሓሰት ይግትሩ ኣለዉ፤ ኣብ ምድሪ ብሓሰት በርትዑ፥ ግና ንሓቂ ኣይኮነን። ካብ ክፍኣት ናብ ክፍኣት ይኸዱ ኣለዉ፤ ንኣይ ኣይፈለጡንን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ነፍሲ ወከፍ ሓው፥ መታለሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብፃይ ድማ፥ ሓማዪ እዩ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ ዓርኩ ይጠንቀቕ፤ ንሓዉ እውን ኣይእመኖ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤ ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።</verse>
				<verse number="6">እትነብረሉ ዘለኻ ኣብ ማእኸል ጥበራ እዩ፤ ብሰንኪ ጥበራኦም ድማ፥ ክፈልጡኒ ኣይደለዩን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ፥ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?</verse>
				<verse number="8">ልሳኖም ዝተስሓለ ፍላፃ እዩ፤ ሓሰትውን ይዛረብ፤ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፤ ብልቡ ግና ይፀናተዎ።</verse>
				<verse number="9">በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ? ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥ ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="10">“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን።</verse>
				<verse number="14">እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”</verse>
				<verse number="17">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በኸይቲ ኣንስቲ ኽመፃ ፀውዑ፤ ንኽመፃ ናብተን ብልሓተኛታት ኣንስቲ እውን ለኣኹለን።”</verse>
				<verse number="18">“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥ ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥ ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።</verse>
				<verse number="19">“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">“ኣትን ኣንስቲ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስምዓ፤ ኣእዛንክን ድማ ቓል ኣፉ ይቀበል፤ ነዋልድክን ኣውያት ኣልምዳአን፤ ንስንሳትክን ከዓ ቝዘማ ተመሃሃራ።</verse>
				<verse number="21">ሞት ንቘልዑ ኻብ መንገድታት ከጥፍእ፥ ነጕባዝ ድማ ኻብ ኣደባባያት ከፅንት ብመሳዅትና ደዪቡ፥ ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሬሳታት እቶም ሰባት፥ ከምቲ ደድሕሪ ዓፃዲ ዝእክቦ ዘይብሉ ቐሪምን፥ ከም ኣብ ግራት ዝወደቐ ድዅዕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።</verse>
				<verse number="24">ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="25">“ኵላቶም ኣህዛብ ኣይተገርዙን፤ ኵሎም ቤት እስራኤልውን ልቦም ኣይተገርዘን እዩሞ፥ እንሆ ንዅሎም ግሩዛት ንግብፅን ይሁዳን ኤዶምያስን ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዅላቶምን፥ ብዘይ ምግራዞም ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="26"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መንገዲ ኣህዛብ ኣይትመሃሩ፤ ኣህዛብ ይፈርሕዎም እዮም ኢልኩም ከዓ በቲ ኣብ ሰማይ እትሪእዎ ምልክታት ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="3">ልማድ ኣህዛብ ከንቱ እዩ፤ ኦም ካብ ዱር ይቘርፁ፤ ፀራቢ ኸዓ ብምሳር ይፀርቦ፤</verse>
				<verse number="4">ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፤ ከይወድቕ ድማ ብሽንካርን ብመዶሻን የጋጥምዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ፥ ንመፈራርሒ ኣዕዋፍ ከም ዝትከሉ ነገራት እዮም፤ ክኸዱ ስለ ዘይኽእሉ ሰብ እዩ ዝፆሮም፤ ዝገብርዎ ፅቡቕ የብሎምን፤ ክፉእ ድማ ኽገብሩ ኣይኽእሉን እዮምሞ ኣይትፍርሕዎም።”</verse>
				<verse number="6">ኦ እግዚኣብሄር፥ ከማኻ ሓደ እኳ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፤ ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።</verse>
				<verse number="11">“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም ሰባት ፍልጠት ስኢኖም ደንዘዙ፤ እቲ ብፍሲ ዝተገብረ ምስሊ ጣዖት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሉን እዩ እሞ፥ ኣንጠረኛ ዝኾነ ዅሉ፥ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤</verse>
				<verse number="15">ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="16">እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="17">“ኣቲ ኣብ ዕርዲ ዘለኺ፥ ኣቓሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ፥ በዝ ጊዜ እዙይ ናብ ርሑቕ ሃገር ከወንጭፎም እየ፤ ክሳዕ ዝፍለጦምውን ከፅብበሎም እየ።”</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">“ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።</verse>
				<verse number="20">ድንኳነይ ተበላሸወ፤ ኵሉ ገመዳተይ ተበታተኸ፤ ደቀይ ተበታተኑ፤ ምሳይ የለዉን፤ ደጊም ድንኳነይ ዝተክል፥ መጋረጃይ ከዓ ዝሰቅል የለን።”</verse>
				<verse number="21">እቶም ጓሶት ሰኒፎም፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይጠየቑን፤ ስለዙይ እውን ኣይሰለጦምን፤ እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">ድምፂ ወረ ስምዑ፤ እንሆ፥ ንኸተማታት ይሁዳ፥ ዑናን መስፈሪ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብርን፥ ድምፅን ብርቱዕ ህምህምታን፥ ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="23">ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="24">ኦ እግዚኣብሄር፥ ቅፅዐኒ፤ ግና ብልክዕ ደኣ ይኹን፤ ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="25">ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">“ንትሕዝቶ እዝ ኪዳን እዙይ ስማዕ። ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ፥</verse>
				<verse number="3">ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እግዚኣብሄር “ናብ ከተማታት ይሁዳን፥ ናብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ኪድ። ንትእዛዝ ኪዳነይ ክሰምዕዎን ክፍፅምዎን ኣውጀሎም።</verse>
				<verse number="7">ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን።</verse>
				<verse number="13">ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።</verse>
				<verse number="14">ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።</verse>
				<verse number="15">ፈታዊተይ ክፍኣት እናገበረትስ፥ ኣብ ገዛይ እንታይ ኣለዋ? መብፅዓን ዝተቐደሰ ስጋን፥ ቅፅዓትኪ ኸርሕቐልኪዶ ይኽእል? ወይ በዚኣቶም እተምልጢዶ ይመስለኪ?</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር “ፅቡቕ ፍረ ዘለዋ፥ ዝለምዐት ኦም ኣውሊዕ” ኢሉ ንስምኪ ፀውዖ፤ ብድምፂ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ሓዊ ኣንደደላ፤ ጨናፍራውን ተሰባበሩ።</verse>
				<verse number="17">ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ቅኑዕ እትፈርድ፥ ልብን ኰላሊትን ከዓ እትምርምር፥ ነገረይ ኣባኻ ኣማዕቝብ ኣለኹ እሞ፥ ምፍዳይ ሕነኻ ኣብኣቶም ኣርእየኒ” በልኩ።</verse>
				<verse number="21">ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="23">በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">“ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?</verse>
				<verse number="2">ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥ ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።</verse>
				<verse number="4">ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”</verse>
				<verse number="7">“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤ ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥ ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።</verse>
				<verse number="8">ርስተይ ኣብ ዱር ከም ዘሎ ኣንበሳ ኾይናትኒ ኣላ፤ ኣብ ልዕለይ ድምፂ ተስምዕ ኣላ፤ ስለዙይውን ፀላእኽዋ።</verse>
				<verse number="9">ርስተይዶ ከም ዝንጕርጕር ኣሞራታት ኮይናትኒ፥ ኣሞራታትከ ኣብ ዙርያኣን፥ ኣብ ልዕሊኣንዶ ኾይኖም እዮም? ኪዱ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኣክቡዎም፤ ክበልዑውን ኣምፅእዎም።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።</verse>
				<verse number="11">ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።</verse>
				<verse number="13">ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።</verse>
				<verse number="15">ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።</verse>
				<verse number="16">ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም።</verse>
				<verse number="17">እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መዕጠቒ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕኩላ።</verse>
				<verse number="3">ንኻልኣይ ጊዜ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ነታ ዓዲግካ ዝተዓጠቕካያ መዕጠቒት ሒዝካ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪድ፤ ኣብ ነቓዕ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣያ” በለኒ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሓባእኽዋ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ከዓ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ እሞ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኬድካ፥ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ መዕጠቒት ካብኡ ውሰዳ” በለኒ።</verse>
				<verse number="7">ኣነውን ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ከይደ፥ ካብቲ ዝሓባእኽዋ ዅዒተ ነታ መዕጠቒት ኣምፃእኽዋ። እንሆውን እታ መዕጠቒት ተበላሽያ፥ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይና ፀንሐት።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መሊሱ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="9">“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="10">እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ ስምዑ፥ ፅን በሉ፤ ኣይትተዓበዩ።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="17">ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="18">ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="19">“ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።”</verse>
				<verse number="20">ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነዞም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ ረአዩ። ንኣኺ ተውሂቦምኺ ዝነበሩ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ?</verse>
				<verse number="21">እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?</verse>
				<verse number="22">ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።</verse>
				<verse number="23">ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።</verse>
				<verse number="25">ንኣይ ረሲዕኽኒ፥ ኣብ ሓሰትውን ተኣሚንኪ ኢኺሞ፥ እቲ ኣነ ዝህበኪ ኽፋል ግደኺ እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ይሁዳ ትበኪ ኣላ፤ ደገታት ጥራሖም ኮኑ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፀልመቶም፤ ብኽያት ኢየሩሳሌም ልዕል ልዕል በለ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥ ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤ ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤ ግና ማይ ኣይረኸቡን፤ ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ። ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥ ርእሶም ተጐልበቡ።</verse>
				<verse number="4">ዝናም ስለ ዘይዘነመ እታ ምድሪ ተጨዳደደት፤ ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ።</verse>
				<verse number="5">ዋልያ ኣብ ምድረ በዳ ወለደት፤ ሳዕሪ ስለ ዝተስኣነ፥ መሓሲኣ ሓደገት።</verse>
				<verse number="6">ኣእዱግ በረኻ ድማ፥ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን፥ ከም ወኻሩ ላህልሃ፤ ሳዕሪ ስለ ዝሰኣና ድማ ኣዒንተን ፈዘዛ።</verse>
				<verse number="7">ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና፤ ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥ ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።</verse>
				<verse number="8">ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?</verse>
				<verse number="9">ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ካባይ ክርሕቑ ይፈትዉ፤ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዙይ ኣነ ኣይፈተኹሎምን። ንበደሎም ክዝክሮ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከዓ ኽቐፅዖም እየ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ድማ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ሰናይ ኣይትለምነሉ።</verse>
				<verse number="12">እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።</verse>
				<verse number="15">ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ነቶም ዝተነበዩሎም ህዝቢ ድማ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ እየ። ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜትን ብውግእን ከም ዝሃልቁ ኽገብር እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ክወድቁ እዮም፤ ዝቐብሮም ድማ ኣይርከብን” በለኒ።</verse>
				<verse number="17">እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦ “እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥ ብዓብዪ መስበርቲ፥ ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="18">ናብ ሜዳ እንተ ወፃእኹ፥ እንሆ፥ ብሰይፊ ዝሞቱ ሰባት እርኢ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እንሆ፥ ብጥሜት ዝቓህመሙ ኣለዉ፤ ነቢይን ካህንንውን፥ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="19">ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።</verse>
				<verse number="20">ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥ ንእመን ኣለና። ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥ ተፈሊጡና ኣሎ።</verse>
				<verse number="21">ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዓቐና፤ ነቲ ዙፋን ክብርኻውን ኣይተዋርዶ፤ ነቲ ምሳና ዝኣተኻዮ ኺዳን፥ ዘክር እምበር ኣይተፍርሶ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።</verse>
				<verse number="2">‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥ ‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥ ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥ ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’ ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።</verse>
				<verse number="4">ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”</verse>
				<verse number="5">“ኦ ኢየሩሳሌም፥ መን እዩ ዝርህርሀልኪ? መንከ እዩ ዝበኽየልኪ? ምእንቲ ድሕንነትኪ ኽጥይቕ፥ ናባኺ ዘግልስከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="6">ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።</verse>
				<verse number="8">መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።</verse>
				<verse number="9">እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="10">ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።</verse>
				<verse number="12">ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ?</verse>
				<verse number="13">ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።</verse>
				<verse number="16">ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።</verse>
				<verse number="18">ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።</verse>
				<verse number="20">ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤</verse>
				<verse number="2">“ኣብዝ ስፍራ እዙይ ሰበይቲ ኣይተእቱ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ኣይትውለድ።</verse>
				<verse number="3">ብዛዕባ እቶም ኣብዝ ስፍራ እዙይ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣጓላትን፥ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም እኖታትን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወለድዎም ኣቦታትን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="4">ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ።</verse>
				<verse number="6">ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="8">“ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ።</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።</verse>
				<verse number="10">“እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ</verse>
				<verse number="11">ንስኻውን ከምዙይ ክትብሎም ኢኻ፦ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ እዩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፥ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለዉ፥</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።</verse>
				<verse number="13">ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።</verse>
				<verse number="17">ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”</verse>
				<verse number="19">ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።</verse>
				<verse number="20">ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">“ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤ ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”</verse>
				<verse number="7">“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”</verse>
				<verse number="9">“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?</verse>
				<verse number="10">ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”</verse>
				<verse number="11">እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።</verse>
				<verse number="12">ስፍራ ቤተ መቕደስና፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ልዕል ዝበለ ናይ ክብሪ ዙፋን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">ጓሳ ኾይነ ንኣኻ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኣይበልኩን፤ ክፉእ መዓልቲ ኸም ዘይተመነኹውን ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ከንፈረይ ዝወፅእውን ኣብ ቅድሜኻ እዩ።</verse>
				<verse number="17">መደንገፅየይ ኣይትኹን፤ ብመዓልቲ መከራ መዕቘብየይ ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉላን ዝወፁላን፥ በሪ ደቂ ህዝቢ እትብሃል በርን፥ ኣብ ኵለን በርታት ኢየሩሳሌምን ቁም፤</verse>
				<verse number="20">ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ኣይትፁሩ፤ ፆር ፆይርኩምውን ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ፤</verse>
				<verse number="22">ካብ ኣባይትኹም ዝኾነ ፆር ኣይተውፅኡ፤ ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም መዓልቲ ሰንበት ኣኽብሩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ኣይትስርሑ።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።</verse>
				<verse number="24">“ግና ብጥንቃቐ እንተ እትሰምዑኒ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር ፀይርኹም እንተ ዘይኣቲኹም፥ ንመዓልቲ ሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ብኣኣ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሕኹም፥</verse>
				<verse number="25">ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል፦ “ተሲእኻ ናብ ቤት ሰራሒ መሬት ውረድ፤ ኣብኡ ቓለይ ከስምዐካ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ኣነውን ናብ ቤት እቲ ስራሒ መሬት ወረድኩ፤ ንሱውን ነቲ ሻኽላ ብመንኰራዅር ይሰርሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤</verse>
				<verse number="6">“ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም።</verse>
				<verse number="7">ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥</verse>
				<verse number="8">እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ።</verse>
				<verse number="9">ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥</verse>
				<verse number="10">እሞ እቲ ህዝቢ እቱይ ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ ኣብ ቅድመይ ክፉእ እንተ ገበረ፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብረሉ እየ’ ኢለ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ነገር ኣይገብሮን እየ።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘስምዐ እንተ ሃልዩ፥ እስኪ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ጠይቑ። እታ ድንግል እስራኤል፥ የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ።</verse>
				<verse number="14">በረድዶ፥ ካብቲ ኸውሕታት ሊባኖስ፥ ተፈልዩ ይፈልጥ እዩ? እቲ ኻብ ርሑቕ ዝወርድ፥ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነፅፍ ድዩ?</verse>
				<verse number="15">ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤ ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥ በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።</verse>
				<verse number="17">ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።</verse>
				<verse number="19">“ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ።</verse>
				<verse number="20">ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ።</verse>
				<verse number="22">ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።</verse>
				<verse number="23">ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።</verse>
				<verse number="2">በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።</verse>
				<verse number="3">ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።</verse>
				<verse number="8">ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።</verse>
				<verse number="14">ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="15">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝተነበየ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓለቓ ኾይኑ ዝተሸመ ጳስኮር፥ ወዲ ኻህን ኢሜር፥ ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ክንበ እንተሎ ሰምዐ፤</verse>
				<verse number="2">ጳስኮር ንነቢይ ኤርሚያስ ወቕዖ፤ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ላዕለወይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጕንዲ ኣእሰሮ።</verse>
				<verse number="3">ንፅባሒቱ ጳስኮር ንኤርሚያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኦ፥ “ኤርሚያስውን እግዚኣብሄር ስምካ ማጎር ሚሳቢብ እምበር ጳስኮር ኢለ ኣይፅውዐካን” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”</verse>
				<verse number="7">ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="8">ብዝተዛረብኩ ቝፅሪ አእዊ ኣለኹ፤ “ዓመፅን ጥፍኣትን” እናበልኩ አእዊ ኣለኹ፤ ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ መዓልቲ፥ ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ።</verse>
				<verse number="9">“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="11">ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣታ ንፃድቕ እትምርምር፥ ልብን ኵላሊትን እትርኢ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነገረይ ናባኻ ኣማዕቚበ ኣለኹ እሞ፥ ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።</verse>
				<verse number="13">ንዝፀገማ ነፍሲ፥ ካብ ኢድ ክፉኣት፥ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ ንእግዚኣብሄር ወድስዎ።</verse>
				<verse number="14">ዝተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፤ እታ እኖይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ነቦይ “ወዲ ተወሊዱልካ” ኢሉ ዘበሰሮ እሞ፥ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሰብ እቱይ ከምተን እግዚኣብሄር፥ እንተይራህርሀ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን፤ ንግሆ ብኽያት፥ ቀትሪ ድማ ኣውያት ይስማዕ።</verse>
				<verse number="17">እኖይ መቓብረይ ክትከውን፥ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብ ማህፀና ኽነብርስ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ማህፀን ወላዲተይ እንተለኹ ዘይቀተለኒ?</verse>
				<verse number="18">ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፥ ዘመነይውን ብሕፍረት ክውድእኸ፥ ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ናይ ይሁዳ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንጳስኮር ወዲ መልክያን ነቲ ኻህን ሶፎንያስ ካህን መኣስያን “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ‘ክዋግአኩም እየ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ኾነስ፥ እስኪ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኽብልዎ ናብ ኤርሚያስ ምስ ለኣኾም፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ።</verse>
				<verse number="6">ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንዝነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፤ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ድማ ኽሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።</verse>
				<verse number="10">ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="11">“ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ በሎም፤</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፥ ኣብኡ እዝ ቓል እዙይ ተናገር፤ ከምዙይውን በል፦</verse>
				<verse number="2">ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።</verse>
				<verse number="4">ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።</verse>
				<verse number="7">ነፍሲ ወከፍ ምስ ኣፅዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ድማ ነቶም ምሩፃት ዝግባታት ክቘርፅዎን፥ ኣብ ሓዊ ኸእትውዎን እዮም።</verse>
				<verse number="8">“ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት በዛ ኸተማ እዚኣ እንትሓልፉ፥ ንስንሳቶም ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ ኸምዙይ ዝገበራ ኽበሃሃሉ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="12">“ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።”</verse>
				<verse number="13">እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።</verse>
				<verse number="14">ሰፊሕ ቤት፥ በዓል ዓብዪ ሰገነት፥ ክሰርሕ እየ ዝብል ወይለኡ። ሰፋሕቲ መስኮታት የዳልወሉ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባ የጋይፅ፤ ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ።</verse>
				<verse number="15">ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ንፅጉምን ንድኻን ፍትሒ የውፅአሎም ነበረ፤ ኵሉውን ሰናይ ኮነሉ፤ እዙይ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="17">ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።</verse>
				<verse number="19">“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።</verse>
				<verse number="21">ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።</verse>
				<verse number="22">ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።</verse>
				<verse number="23">ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!</verse>
				<verse number="24">“ኣነ ህያው እየሞ፥ ኣታ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ማሕተም ቀለበት የማናይ ኢደይ እኳ እንተ እትኸውን፥ ኣውፂአ ኽድርብየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ፥ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።</verse>
				<verse number="26">ንኣኻን ንዝወለደትካ እኖኻን፥ ናብታ ዘይተወለድኩምላ ባዕዲ ሃገር፥ ክድርብየኩም እየ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”</verse>
				<verse number="28">“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።</verse>
				<verse number="29">ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ!</verse>
				<verse number="30">“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ነተን መጓሰይ ዝኾና፥ “ኣባጊዕ ንዝብትኑን ንዘጥፍኡን ጓሶት ወይለኦም!” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።</verse>
				<verse number="4">ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="5">“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።</verse>
				<verse number="7">“ስለዙይ እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="8">ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።”</verse>
				<verse number="9">ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤ ኣዕፅምተይውን ተናወፀ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥ ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥ ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="10">እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="11">“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤ ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥ ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ መንገዶም፥ ኣብ ፀልማት ከም ዘሎ መንደልሃፂ ኽትኮኖም እያ፤ ንሳቶምውን ፍግም ኢሎም ክወድቁዋ እዮም፤ ኣነውን ብዝምልከቶም ዓመት፥ ክፉእ ከምፅአሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ነቢያት ሰማርያ፥ ዘየሐጕስ ረአኹ፤ ብስም በዓል ተነበዩ፤ ንህዝበይ እስራኤልውን ኣስሓቱ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ነቢያትውን፥ ዘስካሕክሕ ነገር እንትገብሩ ረአኹ፤ ይምንዝሩ፤ ብሓሰት ይመላለሱ፤ ሓደ እኳ ኻብ ክፍኣቱ ኸይምለስ፥ ንኢድ ክፉኣት የበራትዑ። ኵላቶም ከዓ ኸም ሰዶም፥ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ።</verse>
				<verse number="15">“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”</verse>
				<verse number="16">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”</verse>
				<verse number="18">ቃሉ ኽርኢን ክሰምዕን፥ ብምኽሪ እግዚኣብሄር ዝቖመ መን እዩ? ፅን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዐኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="19">ናይ እግዚኣብሄር ኣውሎ ንፋስ ብቝጥዓ ይለዓል፤ ብርቱዕ ማዕበልውን ንርእሲ ኽፉኣት ክወቅዕ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">“ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ።</verse>
				<verse number="22">ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም።</verse>
				<verse number="23">“ኣነ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራሕ ዲየ? ናይ ርሑቕ ኣምላኽዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="24">ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="25">ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">እዝ ነገር እዙይ ብናይ ባዕልቶም ጥበራ ኣብ ዝንበዩ ሓሰውቲ ነቢያት ልቢ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝፀንሕ?</verse>
				<verse number="27">ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="29">ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ እንሆ ነቶም ካብ ነንሕድሕዶም ቃለይ ንዝሰረቑ ነቢያት እሕነየሎም ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="31">ከምኡውን ነቶም መልሓሶም ኣልዒሎም ‘ከምዙይ ይብል’ ኢሎም ዝዛረቡ ነቢያት ክፃረሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="32">እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="33">“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ ‘ፆሩ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ግና ኽድርብየኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኢልካ መልሰሎም።</verse>
				<verse number="34">ሓደ ኻብ ህዝበይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ክብል እንተ ተረኽበ ነቲ ሰብ እቱይን ንቤቱን ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="35">‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ንዓርኩን እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ መለሰ? እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ ተዛረበ?’ ደኣ ይበል።</verse>
				<verse number="36">ንቓል ህያው ኣምላኽ፥ ናይቲ ኣምላኽና ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስለ ዝለወጥኩም፥ ድሕሪዙይ ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ኣይትበሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ቃሉ፥ ፆር ክኾኖ እዩ።</verse>
				<verse number="37">ነቲ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር እንታይ መለሰልካ? እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ዝተዛረበ? ደኣ ይበል።</verse>
				<verse number="38">‘ሸኽሚ እግዚኣብሄር’ እንተ በልኩም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኣይትበሉ ኢለ ልኢኸልኩም፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኢልኩም ኢኹምሞ፤</verse>
				<verse number="39">ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ።</verse>
				<verse number="40">ንዘለኣለም ዘይርሳዕ ሕፍረትን ዘለኣለማዊ ውርደትንውን ከምፅአልኩም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።</verse>
				<verse number="2">እታ ሓንቲ መሶብ፥ ፈለማ ዝበሰለ የመና ፅቡቕ በለስ ነበራ፤ እታ ኻልአይቲ መሶብ ድማ ኻብ ምብልሻው ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል የመና ሕማቕ በለስ ነበራ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።”</verse>
				<verse number="4">መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤</verse>
				<verse number="5">ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።</verse>
				<verse number="6">ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="8">“ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።</verse>
				<verse number="10">ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="2">ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ከምዙይ ኢሉ ተናገረ፦</verse>
				<verse number="3">“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።</verse>
				<verse number="5">ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።</verse>
				<verse number="6">ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን።</verse>
				<verse number="7">ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="8">“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="9">ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።</verse>
				<verse number="10">ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="11">ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ።</verse>
				<verse number="14">ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም።</verse>
				<verse number="16">ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።”</verse>
				<verse number="17">ኣነ ድማ ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተቐቢለ፥ ናብቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ ህዝብታት ከድኩ፤ ከም ዝሰትይዎውን ገበርኩ።</verse>
				<verse number="18">ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥</verse>
				<verse number="19">ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥</verse>
				<verse number="20">ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥</verse>
				<verse number="21">ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥</verse>
				<verse number="22">ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥</verse>
				<verse number="23">ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥</verse>
				<verse number="24">ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥</verse>
				<verse number="25">ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥</verse>
				<verse number="26">ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።</verse>
				<verse number="28">ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፥ ምስታይውን እንተ ኣበዩ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ‘ብግዲ ኽትሰትዩ ኢኹም’ ይብል ኣሎ በሎም።</verse>
				<verse number="29">እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="30">“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥ ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥ ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥ ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤ ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤ ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="32">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።”</verse>
				<verse number="33">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን።</verse>
				<verse number="34">እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም።</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="37">ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት።</verse>
				<verse number="38">ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ብመጀመርታ ዘመን መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፤</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="3">ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥</verse>
				<verse number="5">ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥</verse>
				<verse number="6">ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”</verse>
				<verse number="7">ካህናትን ነቢያትን ኵሉ ህዝብን ከዓ፥ ኤርሚያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዝ ቃል እዙይ እንትዛረብ ሰምዑ።</verse>
				<verse number="8">ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”</verse>
				<verse number="9">ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ።</verse>
				<verse number="10">ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።</verse>
				<verse number="12">ኤርሚያስ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኹምዎ ዅሉ ቓል፥ ክንበዮ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ግና እኒሀኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፤ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየኩም ግበሩ።</verse>
				<verse number="15">እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም።</verse>
				<verse number="17">ካብቶም ሽማግለታት እታ ሃገር ከዓ ተሲኦም፥ ንዅሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎ፦</verse>
				<verse number="18">“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።</verse>
				<verse number="19">“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”</verse>
				<verse number="20">ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።</verse>
				<verse number="21">ንጉስ ኢዮኣቄምን ኵሎም ጀጋኑኡን ኵሎም ኣሕሉቕን ቃላት ኦርዮ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኦርዮ እዙይ ምስ ሰምዐ ፈርሐ፤ ሃዲሙ ኸዓ ናብ ግብፂ ኸደ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ንጉስ ኢዮኣቄም ንኦርዮ ኸምፅእዎ ምስ ብዙሓት ሰባት ገይሩ ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ናብ ግብፂ ለኣኾ።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ።</verse>
				<verse number="24">ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።</verse>
				<verse number="3">በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ።</verse>
				<verse number="4">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ንጐይተቶም ክነግርዎም ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ንጐይተትኩም ከምዙይ በልዎም፦</verse>
				<verse number="5">ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባትን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝተዘርግሐት ቅልፅመይን ዝፈጠርኩ፥ ኣነ እየ። ቅኑዕ ኮይኑ ንዝተርኣየኒ ድማ እህባ።</verse>
				<verse number="6">ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፤ እንስሳ በረኻ እውን ከም ዝግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።</verse>
				<verse number="8">“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ንስኻትኩም ነቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝእዎን ኢኹም፤ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን፥ ሕልሚ ዝሓልሙልኩምን፥ መናፍስቲ ዝጥይቑልኩምን፥ ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”</verse>
				<verse number="12">ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ስለ ምንታይ ኢኹም፤ ንስኻን ህዝብኻን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ንንጉስ ባቢሎን ንዘይግዛእ ህዝቢ ዘጠንቀቖ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን እትሞቱ?</verse>
				<verse number="14">እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝብን “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ፥ ሕዚ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፥ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትኩም፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ ኣይትስምዕዎም።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ኣይትስምዕዎም፤ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለ ምንታይከ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ?</verse>
				<verse number="18">ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም።</verse>
				<verse number="19">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኽወስዶም እንተሎ፥ ኣዕማድን ብነሃስ ዝተሰርሐ መዕቘሪ ማይን ወናብርን ዝተፈላለየ ኣቑሑ ቤተ መቅደስን ሓዲጉ ነበረ።</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">“እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="22">ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦</verse>
				<verse number="2">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ።</verse>
				<verse number="3">ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ።</verse>
				<verse number="4">ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦</verse>
				<verse number="6">ነቢይ ኤርሚያስ ድማ በለ፦ “ኣሜን፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ይግበሮ። እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ኵላቶም ምሩኻትን፥ ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽምለሱስ፥ ነቲ ዝተነበኻዮ ቓል፥ እግዚኣብሄር ይፈፅሞ።</verse>
				<verse number="7">ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኻን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እዝ ህዝቢ እዙይን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፦</verse>
				<verse number="8">እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሰላም ዝንበ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዝፍለጥ ግና፥ ቃል ትንቢቱ ምስ ተፈፀመ ጥራሕ እዩ።”</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።</verse>
				<verse number="12">ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፥ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="13">“ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="17">ነቢይ ሃናንያ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት እቲኣ ሞተ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ብህይወት ዝነብሩ ሽማግለታትን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ነቶም ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም ህዝቢ፥ ዝለኣኸሎም ቃል መልእኽቲ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦</verse>
				<verse number="4">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="5">‘ቤት ሰሪሕኹም ተቐመጡ፤ ኣታኽልቲ ተኺልኩም ፍረኡ ብልዑ።</verse>
				<verse number="6">ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ውለዱ፤ ነወዳትኩምን ነጓላትኩምን ከዓ ኣመረዓዕውዎም፤ ንሳቶምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ይውለዱ። ቍፅርኹም ኣብቲ ዘለኹምዎ ምድሪ ይብዛሕ እምበር፥ ኣይውሓድ።</verse>
				<verse number="7">ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።</verse>
				<verse number="8">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”</verse>
				<verse number="10">“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።</verse>
				<verse number="11">ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="12">ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ።</verse>
				<verse number="13">ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ባቢሎን ነቢያት ኣተሲኡልና ኣሎ” ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝተቐመጠ ንጉስን፥ ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ተማሪኾም ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅሉ ህዝብን ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="17">“እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።</verse>
				<verse number="19">እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="20">እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="21">“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="24">ንሸማያ በዓል ኔሔላማዊ ኸምዙይ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፤</verse>
				<verse number="25">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀብፃብ መልእኽቲ ብስምካ ፅሒፍካ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ሶፎንያስ፥ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፥ ናብ ኵሎም ካህናትን፥ ከምዙይ ኢልካ ልኢኽካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="26">ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ንዝሰሓተሞ፥ ንዝንበ ሰብ ኣብ እግሩ ሞቕሕ፥ ኣብ ክሳዱ ሰንሰለት ክተእትወሉ፥ እግዚኣብሄር ክንዲ ካህን ዮዳሄ ገይሩ ሸመካ።</verse>
				<verse number="27">ስለ ምንታይ ደኣ፥ ነቲ ዝንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸዓ፥ “ ‘ነዊሕ ጊዜ ተሪፉ ኣሎ፤ ኣባይቲ ስርሑ እሞ ተቐመጡሉ፥ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍረኡ ብልዑ’ እናበለ፥ ናብ ባቢሎን ዝለኣኸልና ኤርሚያስ በዓል ኣናቶት፥ ከምኡ ዘይገሰፅካዮ?”</verse>
				<verse number="28"></verse>
				<verse number="29">እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ።</verse>
				<verse number="30">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ኤርሚያስ መፀ፤</verse>
				<verse number="31">እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥</verse>
				<verse number="32">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ክሕደት ተዛሪቡ እዩሞ፥ እንሆ፥ ንሸማያ በዓል ኔሔላምን ንዘርኡን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ዝተርፍ ውሉድ ሓደ እኳ ኣይህልዎን እዩ። እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይርእን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፤</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ “ነዘን ኵለን ዝነገርኩኻ ቓላት ኣብ መፅሓፍ ፀሓፈን።</verse>
				<verse number="3">እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="6">እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="7">እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”</verse>
				<verse number="8">“በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ነቲ ኣብ ክሳዶም ዘሎ ኣርዑት ክሰብሮ እየ፤ ነቲ መእሰሪኦምውን ክበትኮ እየ። ድሕሪ ደጊም ባዕዳን ኣይገዝእዎምን እዮም።</verse>
				<verse number="9">ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን፥ ነቲ ኣነ ዘተስአሎም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስን ክግዝኡ እዮም።</verse>
				<verse number="10">“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ዝማጐተልካ የለን፤ ንቝስልኻ መድሓኒት የብሉን፤ ፈውስውን ኣይትረክብን።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ፈውሲ ንዘይርከቦ ሕማምካ፥ ብዛዕባ ቝስልኻ ንምንታይ እተእዊ? ብበደልካን ብበዝሒ ሓጢኣትካን እየ ዝቐፃዕኹኻ።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤</verse>
				<verse number="17">እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።</verse>
				<verse number="20">ደቆም ከም ቀደም ክኾኑ እዮም፤ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ንዅሎም ገፋዕቶም ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="21">መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”</verse>
				<verse number="23">እንሆ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ይለዓል፤ ዝገለባበጥ ኣውሎ ንፋስ፥ ኣብ ልዕሊ ናላ ኽፉኣት ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ፥ ኣብ ምድረ በዳ ሞገስ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።</verse>
				<verse number="4">ኦ ድንግል እስራኤል፥ መሊሰ ኽሃንፀኪ እየ፤ ንስኺውን ክትህነፂ ኢኺ፤ ከም ብሓድሽ እውን ከበሮኺ ኣልዒልኪ ምስቶም ደረፍቲ ኽትወፂ ኢኺ።</verse>
				<verse number="5">መሊስኪ ኣብ እምባታት ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሊ ኢኺ። እቶም ተኸልቲ ኽተኽልዎ እዮም፤ ብፍረኡውን ደስ ክብሎም እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለ ያእቆብ ብደስታ ዘምሩ፤ ስለ እቲ ሓለቓ ኣህዛብ ዕልል በሉ፤ ዓው ኢልኩም ምስጋናኹም ኣስምዑ፤ እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="9">እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተቤዚውዎ እዩ፤ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝብርትዕ ከዓ፥ ኣድሒንዎ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።</verse>
				<verse number="14">ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኸጥልሎ እየ፤ ህዝበይ ብበረኸተይ ክፀግብ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ኣርማቴም ድምፂ ዋይ ዋይታን፥ ድምፂ መሪር ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ የለዉን እሞ፤ ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድምፅኺ ኻብ ብኽያት፥ ኣዒንትኺውን ካብ ንብዓት ከልክሊ” ድኻምኪ ዓስቢ ኣለዎ እዩሞ፥ ደቅኺ ኻብ ምድሪ ፀላኢ ኽምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ንዝመፅእ ጊዜ ተስፋ ኣለኪ፤ ደቅኺ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">“ኤፍሬም ከዓ፥ ከም ዘይፀረየ ዝራብዕ ቀፃዕኻኒ፤ ኣነውን ተቐፃዕኹ፤ ‘ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይሞ ምለሰኒ፤ ኣነውን ክምለስ እየ።</verse>
				<verse number="19">ካባኻ ምስ ረሓቕኩ፥ ተናሳሕኹ፤ ምስ ተፈለጠኒ ኸዓ ምሕኹልተይ ወቓዕኹ፤ ፀርፊ ንእስነተይ ተሸኪመ እየሞ፥ ሓፈርኩ፤ ሓነኽኩውን’ ኢሉ፥ እንትበኪ ሰማዕኹ።”</verse>
				<verse number="20">“ብሓቂ ኤፍሬም ንኣይ ዝኸበረ ውሉድ ድዩ? ወይ ከዓ ዝተፈተወ ህፃን ድዩ? ኣንፃሩ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ እዝክሮ ኣለኹ፤ ስለዙይ ኣምዑተይ ተሃወኸትሉ፤ ርህራሀውን እርህርሀሉ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="21">ንባዕልኺ ምልክት ጐደና ግበሪ፤ መንገዲ ዝሕብሩ ኣዕማድውን ትኸሊ፤ ልብኺውን ናብ እትኸድሉ መንገድን ጐዳናን ኣቕንዒ፤ ኣቲ ድንግል እስራኤል ተመለሲ፤ ናብ ከተማታትኪውን ተመለሲ።</verse>
				<verse number="22">ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”</verse>
				<verse number="23">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”</verse>
				<verse number="24">“ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኵሉ ሃገርን፥ ምስ ሓረስቶትን ምስቶም መጓሰ ሒዞም ዝዞሩን ዝነብሩን ሰባት ክርከቡ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ንዝደኸመት ነፍሲ ኣርውየ ኣለኹሞ፥ ንዝሓዘነት ነፍሲ ድማ ኣፅጊበ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪዙይ ተበራበርኩ፤ ጠመትኩውን፤ ድቃሰይውን ጥዑም ኮነለይ።”</verse>
				<verse number="27">“እንሆ፥ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ብዘርኢ ሰብን እንስሳን ዝዘርኡሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="28">ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="29">“በተን መዓልቲታት እቲኣተን ሰባት መሊሶም፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ፍረ ወይኒ በልዑ፤ ኣስናን እቶም ውሉድውን ከኸወ’ ኣይብሉን።”</verse>
				<verse number="30">“እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ብገዛ ሓጢኣቱ ይመውት፤ ኵሉ መፂፅ ፍረ ወይኒ ዝበልዕ፥ ንናይ ባዕሉ ስኒ ይኸኽዎ።”</verse>
				<verse number="31">እንሆ፥ “ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን፥ ሓድሽ ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="32">ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="33">ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="35">እታ ፀሓይ ብመዓልቲ ኽተብርህ፥ ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ብለይቲ ኸብርሁ ዝሓገገ፥ እቲ ንባሕሪ እውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናውፅ፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="36">“እዝ ሕግጋት እዙይ ካብ ቅድመይ እንተ ተስዒሩ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሽዑ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ፥ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="37">ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="38">“እንሆ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ካብ ግንቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን፥ ንእግዚኣብሄር እትሕነፀለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="39">እቲ መዐቀኒ ገመድ ከዓ፥ ክሳዕ ኰረብታ ጋሬብ ቀጥ ኢሉ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ናብ ጐዓም ኣቢሉውን ክምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="40">ኵሉ ሬሳታት ዝቕበሩሉን ሓሙዅሽቲ ዝጓሓፈሉ ለሰን፥ ኵሉ እቲ ገራሁ ኽሳዕ ሩባ ቄድሮንን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እታ ኸተማ ንሓዋሩ ኸቶ ኣይትንቀልን ኣይትፈርስንውን እያ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓስራይ ዓመቱ፥ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን።</verse>
				<verse number="5">ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="6">ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦</verse>
				<verse number="7">“እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።”</verse>
				<verse number="8">ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።</verse>
				<verse number="9">ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከዓ ኻብ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ፤ ዋጋኣውን ዓሰርተ ሸውዓተ ቕርሺ ብሩር መዚነ ሃብክዎ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ።</verse>
				<verse number="11">ነተን ውዕሊ ዝተፅሓፈን፥ ነታ ሕትምትን ነታ ቕልዕትን ወሲደ፥</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦</verse>
				<verse number="14">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’</verse>
				<verse number="15">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”</verse>
				<verse number="16">እታ ውዕሊ መሸጣ ዝሓዘት መፅሓፍ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ፀለኹ፦</verse>
				<verse number="17">“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።</verse>
				<verse number="18">ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻ ብምኽርኻ ዓብዪ፥ ብግብርኻ ብርቱዕ ኢኻ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዶምን፥ ከከም ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም ከዓ፥ ኣዒንትኻ ኣብ ኵለን መንገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።</verse>
				<verse number="20">ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ።</verse>
				<verse number="21">ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም።</verse>
				<verse number="22">ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።</verse>
				<verse number="24">“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="27">“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም።</verse>
				<verse number="30">ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="31">እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ።</verse>
				<verse number="33">ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።</verse>
				<verse number="34">ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="35">ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።”</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፦ “ንስኻ፥ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ፌራን፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፋ ኽትወሃብ እያ’ ስለ ዝበልካያ ስለ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፤</verse>
				<verse number="37">እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="39">ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።</verse>
				<verse number="40">ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ።</verse>
				<verse number="41">ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።</verse>
				<verse number="42">“ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="43">ኣብታ ንስኻትኩም ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ ንባቢሎናውያን ዝተውሃበት፥ ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር ኣብኣ ገራሁ ኽዕድጉ እዮም።</verse>
				<verse number="44">ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ኤርሚያስ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብኡ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">ስሙ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንምድሪ ዝፈጠራን ዝመስረታን ዘፅንዓን እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="3">“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።</verse>
				<verse number="4">ብዛዕባ እቲ ብመፍረሲ ዕርድን፥ ብሰይፍን ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="5">ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ።</verse>
				<verse number="7">ምርኮ ይሁዳን ምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፤ ከም ቀደም ከዓ ኽሃንፆም እየ።</verse>
				<verse number="8">ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝዓመፅዎን ዝበደልዎን ሓጢኣቶም ይቕረ ኽብሎም እየ።</verse>
				<verse number="9">እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ዝባደመት እያ ኣብ እትብልዋ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ዝነብረሎም ኣብ ዘየለ ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ባድማ ዝኾኑ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን</verse>
				<verse number="11">ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="12">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን፥ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ቃል ዝፍፅመለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="15">በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ።</verse>
				<verse number="16">በቲ ዘመን እቱይ ይሁዳ ኽድሕን እዩ፤ ኢየሩሳሌምውን ብህድኣት ክትነብር እያ፤ መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን።</verse>
				<verse number="17">ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ካብ ሌዋውያን ካህናትውን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንምቕራብ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ንምቅፃል፥ ካልእ መስዋእቲ ንምስዋእ፥ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ኣይሰኣንን።”</verse>
				<verse number="19">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ድማ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይኾነሉ፥ ምስ ዳዊት ባርያይን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናትን ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ክፈርስ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ዘይቝፀር፥ ሑፃ ባሕሪ እውን ዘይስፈር፥ ከምኡ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ንኣገልገልተይ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።”</verse>
				<verse number="23">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="24">“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ መዓልትን ምስ ለይትን ዘሎ ኺዳነይ እንተ ዘየፅኒዐ፥ ንሰማይን ምድርን ዝሓገግክዎ ስርዓትውን እንተ ዘየፅኒዐ፥</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’</verse>
				<verse number="5">ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="6">ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢየሩሳሌምን ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን፥ ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ፥ ላኪሶን ኣዜቃን ክዋጋእ እንተሎ፥ ኤርሚያስ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ንጉስ ሴዴቅያስ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፥ ሓርነት ባሮቶም ክእውጁ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኪዳን ከዓ ነፍሲ ወከፎም፥ ዕብራውያን ንዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ “ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ ሓዉ፥ ባርያ ኸይገብር” ዝብል ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም።</verse>
				<verse number="11">ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፤</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤</verse>
				<verse number="14">‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን።</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም ሎሚ ተመሊስኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ንብፃዩ ሓራ ምውፃእ ብምእዋጅኩም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ድማ፥ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣተኹም።</verse>
				<verse number="16">ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ።</verse>
				<verse number="19">ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥</verse>
				<verse number="20">ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ቤት ሬካባውያን ኪድሞ ተዛረቦም፤ “ካብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ካብ ዘለዉ ኽፍልታት ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ኣእትዎም፤ ወይኒ እውን ኣስትዮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስን ወዲ ከባስን፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ኣወዳት ደቁን፥ ንዅሎም ሬካባውያንን ወሰድክዎም።</verse>
				<verse number="4">ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ሬካብ ከዓ፥ ወይኒ ዝመልአ ሳራሙን ዋናጩን ቀሪበ፥ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ግና “ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ‘ኣባይቲ ኣይትስርሑ፤ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ፤ ኣይተጥርዩውን፤ ኣብታ ኣጋይሽ ኴንኩም እትነብሩላ ዘለኹም ሃገር፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኵሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፤ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ንሕናውን ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ቓል ፈፂምና ኢና፤ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ድማ ብዅሉ ዘመንና ፈፂምና ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።</verse>
				<verse number="9">እንነብረለን ኣባይቲ ኣይሰራሕናን፤ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ዘርእን የብልናን ኢና።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር፤ ኵሉ ኣቦና ኢዮናዳብ ዘኣዘዘና ጌርና ኢና።</verse>
				<verse number="11">ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኪድሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ “ቃለይ ንምስማዕስ ተግሳፅዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም?” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።</verse>
				<verse number="16">ደቂ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ነቲ ኣቦኣቶም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈፂሞምዎ እዮም፤ እዝ ህዝቢ ግና ኣይሰምዐንን።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="18">ኤርሚያስ ንሬካባውያን ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንትእዛዝ ኣቦኻትኩም ኢዮናዳብ ስለ ዝተኣዘዝኩም፥ ንዅሉ ትእዛዙ ኸዓ ስለ ዝሓለኹም፥ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝኣዘዘኩምውን ስለ ዝገበርኩም፥</verse>
				<verse number="19">‘ካብ ወገን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንዘለኣለም ኣይሰኣንን እዩ’ ይብል ኣሎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ኮነ ኸዓ ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="2">“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="3">ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኤርሚያስ ንባሮክ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኸልኪለ ኣለኹሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ ኣይክእልን።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም።</verse>
				<verse number="7">እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።”</verse>
				<verse number="8">ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ልክዕ ከምቲ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ፥ ካብቲ መፅሓፍ ቃል እግዚኣብሄር ኣንበበ።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ህዝብን፥ ኵላቶም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ህዝብን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፆም ክፆሙ ኣወጁ።</verse>
				<verse number="10">ባሮክ ድማ ነቲ ቓል ኤርሚያስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣደባባይ “ሓዳስ በሪ” ብዝበሃል መእተዊ ቤተ መቕደስ ብዝርከብ፥ በቲ ፀሓፊ ወዲ ሳፋን፥ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ገማርያ ኾይኑ፥ ኣብ እዝኒ ዅሉ ህዝቢ ኣንበቦ።</verse>
				<verse number="11">ሚክያስ፥ ወዲ ገማርያ ወዲ ሳፋን፥ ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ሚክያስ ከዓ ባሮክ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ ከንብበሎም እንተሎ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንኣኣቶም ነገሮም።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ንይሁዲ ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ሰለምያ፥ ወዲ ኵሲ፥ ናብ ባሮክ ልኢኾም “ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምፃእ” በልዎ። ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናብኣቶም መፀ።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ድማ “ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና” በልዎ፤ ባሮክውን ኣንበበሎም።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="17">ንባሮክ ድማ “እስኪ ንገረና ኸመይ ጌርካ ኢኻ እዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ካብ ኣፉ ዝፀሓፍካዮ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="18">ባሮክ ከዓ “እወ፥ እዝ ዅሉ ብኣፉ ይነግረኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ መፅሓፍ ብቐለም እፅሕፎ ነበርኩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንባሮክ “ኪድ እሞ፥ ንስኻን ኤርሚያስን ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣንቢሮም፥ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ገበላ ኣተዉ እሞ፥ ኵለን እተን ቃላት እቲኣተን ንንጉስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም።</verse>
				<verse number="22">ታሽዓይ ወርሒ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ንጉስ ኣብቲ ወርሓት ክረምቲ ዘሕልፈሉ ኣዳራሽ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሓዊ ዝተኣጐደ ምድጃ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት።</verse>
				<verse number="24">እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።</verse>
				<verse number="25">ኤልናታንን ደላያን ገማርያን፥ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸየቃፅላ ንንጉስ ለሚኖምዎ እንተ ነበሩ እኳ፥ ንሱ ኣይሰምዖምን።</verse>
				<verse number="26">እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም።</verse>
				<verse number="27">እቲ ንጉስ ነቲ ባሮክ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ዝፀሓፎ ቓል ዘለዎ ብራና ምስ ኣቃፀለ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="28">መሊስካ ኻልእ ብራና ውሰድ እሞ፥ ነተን ኣብ ልዕሊ እታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ፥ ኵለን ቃላት ኣብኣ ፀሓፈን።</verse>
				<verse number="29">ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ንእኡን ንደቁን ነሕሉቑን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ። ምስማዕ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኵሉ ከውርደሎም እየ ዝበልክዎ ጥፍኣት፥ ኣብኣቶምን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይሁዳን ከምፅእ እየ።”</verse>
				<verse number="32">ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ክንዲ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ።</verse>
				<verse number="2">ግና ሴዴቅያስ ኮነ ባሮቱ ወይ ህዝቢ እታ ሃገር፥ ነቲ ብነቢይ ኤርሚያስ ኣቢሉ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="3">ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ኤርሚያስ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘየእተውዎ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="7">“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ከለዳውያን ከዓ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኽዋግእዋ፥ ክሕዝዋን ብሓዊውን ከባርዕዋን እዮም።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ከለዳውያን ብርግፅ ሓዲጎምና ክኸዱ እዮም ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፤ ኣይኸዱንሞ ንርእስኹም ኣይተታልሉ።</verse>
				<verse number="10">ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”</verse>
				<verse number="11">ሰራዊት ባቢሎን ካብ ፍርሓት ጭፍራ ፈርዖን ዝተልዓለ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ፥</verse>
				<verse number="12">ኤርሚያስ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ብፅሒት ርስቱ ኽቕበል ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ክኸይድ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="13">ግና ናብታ ደገ ብንያም እትብሃል ምስ በፅሐ፥ የርያ ዝስሙ ወዲ ሰሌምያ ወዲ ሃናንያ ሓለቓ ሓለውቲ “ናብ ባቢሎናውያን ኢኻ እትመልቝ ዘለኻ” ኢሉ ንኤርሚያስ ሓዞ።</verse>
				<verse number="14">ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ፤ ከዲዐ ናብ ባቢሎናውያን ምኻደይ ኣይኮነን” በለ። የርያ ግና ኣይሰምዖን። እኳ ድኣ ሒዙ ናብ ኣሕሉቕ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="18">መሊሱ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ንኣኻን ነሕሉቕካን ነዝ ህዝቢ እዙይን እንታይ በዲለ እየ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምኒ?</verse>
				<verse number="19">እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?</verse>
				<verse number="20">እምበኣር ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን፤ ኣብኣ ኸይመውትስ ደጊምካ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኣይትምለሰኒ” ኢሉ ለመኖ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ።</verse>
				<verse number="2">“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="3">እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥</verse>
				<verse number="8">ኣቢሜሌክ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፂኡ፥ ንንጉስ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንነቢይ ኤርሚያስ ኣብ ጕድጓድ ብምድርባዮም ክፉእ ገይሮም ኣለዉ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጀራ ስለ ዘየለ፥ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ክመውት እዩ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="11">ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “እንተ ነገርኩኻ ብርግፅ ኣይትቐትለንንዶ? እንተ መኸርኩኻ ኸዓ ኣይትሰምዐንን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።</verse>
				<verse number="17">ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንኤርሚያስ “ንኣይ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ባቢሎናውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ፥ ኣሕሊፎም ከይህቡኒ እሞ ኸየላግፁለይ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።</verse>
				<verse number="21">ኣይወፅእን ኢልካ እንተ ኣበኻ ግና፥ እንታይ ከም ዝበፅሐካ እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።</verse>
				<verse number="23">“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ሴዴቅያስ ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦ “ነዝ ቃል እዙይ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፤ ንስኻውን ኣይትሞትን።</verse>
				<verse number="25">እቶም ኣሕሉቕ ምሳኻ ኸም ዝተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም፥ ናባኻ መፂኦም ድማ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፥ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ እንተይሓባእኻ እንተ ነጊርካና ኣይንቐትለካን ኢና’ እንተ በሉኻ፥</verse>
				<verse number="26">ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።”</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ናብ ኤርሚያስ መፂኦም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ንጉስ ዝኣዘዞ ነገሮም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፥ ስቕ ኢሎም ከዱ።</verse>
				<verse number="28">ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ።</verse>
				<verse number="2">ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="4">ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ።</verse>
				<verse number="5">ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም።</verse>
				<verse number="7">ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።</verse>
				<verse number="9">ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥</verse>
				<verse number="14">ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="15">ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦</verse>
				<verse number="16">“ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="17">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርሚያስ ወሰዶ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ኣብዝ ስፍራ ተናገረ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።</verse>
				<verse number="4">ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="8">እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።</verse>
				<verse number="9">ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="11">ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።</verse>
				<verse number="13">ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥</verse>
				<verse number="14">“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።</verse>
				<verse number="15">ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ንጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ “እቶም ኣባኻ ዝተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፥ እቶም ተረፍ ይሁዳ ድማ ኽጠፍኡስ፥ ስለ ምንታይ እስማኤል ወዲ ናታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ? ሓደ እኳ እንተይፈለጠ ኸይደ ኽቐትሎ ፍቐደለይ” ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="16">ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ምስ ጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅላቶም ኣይሁድን፥ ነቶም ኣብኡ ዝፀንሑ ተዋጋእቲ ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።</verse>
				<verse number="4">ንጎዶልያስ ምስ ቀተልዎ ኸዓ ንፅባሒቱ፥ ሓደ እኳ እንተይፈለጠ እንተሎ፥</verse>
				<verse number="5">ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።</verse>
				<verse number="6">እስማኤል ወዲ ናታንያ ኸዓ ኻብ ምፅጳ እናበኸየ ኸደ። ምስ ተራኸቦም ድማ “ንዑናይ፤ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም” ንኺድ በሎም።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፥ እስማኤል ወዲ ናታንያንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ሓረድዎም፤ ናብ ጕድጓድ ከዓ ደርበይዎም።</verse>
				<verse number="8">ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም።</verse>
				<verse number="9">እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።</verse>
				<verse number="10">እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="11">ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ሰቦም ሒዞም፥ ንእስማኤል ወዲ ናታንያ ኽዋግኡ ሰዓብዎ እሞ ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="13">ኵሎም እቶም እስማኤል ማሪኽዎም ዝነበረ ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያንን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ሰባት፥ ኣምሊጦም ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ተመሊሶም ከዱ።</verse>
				<verse number="15">እስማኤል ወዲ ናታንያ ግና፥ ምስ እቶም ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰብኡት፥ ካብ ዮሃናን ኣምሊጡ ናብ ደቂ ኣሞን ከደ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።</verse>
				<verse number="17">እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤</verse>
				<verse number="2">ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥</verse>
				<verse number="3">እንኸደላ መንገድን እንገብሮ ግብርን ከርእየና፥ ስለ እዞም ተረፍ፥ ናብ ኣምላኽካ ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ኤርሚያስ ከዓ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፤ እንሆ፥ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፅሊ እየ። እግዚኣብሄር ዝበለኒ ቓል ድማ ኽነግረኩም እየ፤ ሓንቲ እኳ ኣይሓብአኩምን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ከዓ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደልና ዅሉ ቓል እንተ ዘይጌርና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ሰናይ ምእንቲ ክኾነልና፥ ይፀብቕ ወይ ይኽፋእ፥ ነቲ ናብኡ እንልእኸካ ዘለና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንእዘዞ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦</verse>
				<verse number="8">ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ፀሎትኩም ናብኡ ኸቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="10">‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ኽምሕረኩም እየ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኸም ዝምሕረኩምን፥ ናብ ሃገርኩም ከም ዝመልሰኩምን ክገብር እየ።’</verse>
				<verse number="13">“ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ናብ ግብፂ ኽትከዱ ገፅኩም እንተ መሊስኩም፥ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ግዒዝኩም፥</verse>
				<verse number="16">እቲ እትፈርሕዎ ውግእ ክበፅሐኩም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ እቲ እትፈርሕዎ ጥሜት ክስዕበኩም እዩ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።”</verse>
				<verse number="18">ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።</verse>
				<verse number="19">“ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ናብ ግብፂ ኣይትኺዱ ኢሉኩም እዩ፤ ኣነውን ሎሚ ኣጠንቅቐኩም ከም ዘለኹ ብርግፅ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="20">‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።</verse>
				<verse number="21">እምበኣርከስ ሎሚ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ልኢኹኒ ዝነገርኩኹም ቃል ኣይተኣዘዝኩምን።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘለኹም ቦታ ብዂናትን፥ ብጥሜትን፥ ብፌራን ከም እትሞቱ ብርግፅ ፍለጡ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="43">
				<verse number="1">ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ኾነ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮኑ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ” ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይሰምዕዎን።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም።</verse>
				<verse number="6">ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።</verse>
				<verse number="7">ንቓል እግዚኣብሄር ኣይሰምዑንሞ ናብ ግብፂ ኣተዉ፤ ክሳዕ ጣፍናስ ከዓ በፅሑ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣብ ጣፍናስ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።</verse>
				<verse number="9">“ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኸቃፅሎምን ክማርኾምን እዩ። ጓሳ ኽዳኑ ኸም ዝኽደን ንሱውን ንግብፂ ክኸድና እዩ። ካብኣውን ብደሓን ክወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ነቲ ኣብ ቤት ሳሚስ ዘሎ ሓወልትታት ግብፂ ኽሰባብሮ እዩ። ንኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂውን ብሓዊ ኸቓፅሎ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="44">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="3">እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና።</verse>
				<verse number="7">“ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ?</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርዎ፥ ክፍኣት ኣቦታትኩምን ክፍኣት ነገስታት ይሁዳን ክፍኣት ኣንስቶምን ኽፍኣትኩምን ክፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኹምዎ ኢኹም?</verse>
				<verse number="10">ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን።</verse>
				<verse number="11">“ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦</verse>
				<verse number="16">“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።</verse>
				<verse number="17">ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።</verse>
				<verse number="18">ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”</verse>
				<verse number="19">እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኤርሚያስ ንዅሎም ነቶም ከምዙይ ኢሎም ዝመለሱሉ ህዝብን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ከምዙይ፥ ኢሉ ተዛረቦም፦</verse>
				<verse number="21">“ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።</verse>
				<verse number="23">ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።”</verse>
				<verse number="24">ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦</verse>
				<verse number="25">“ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ኽነፍስሰላ፥ ዝተመባፃዕናዮ መብፅዓና ብርግፅ ክንፍፅሞ ኢና’ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛረብኩም፤ በእዳውኩም ከዓ ፈፂምኩምዎ ኢኹም፤ ሕራይ፥ መብፅዓኹም ግበሩ፤ መብፅዓኹም ፈፅሙ።</verse>
				<verse number="26">ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="27">እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="29">እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="30">እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="45">
				<verse number="1">ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ!</verse>
				<verse number="3">ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="5">እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="46">
				<verse number="1">ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="3">ዋልታን ኲናትን ኣዳልዉ፤ ንውግእ ኸዓ ተሰለፉ፤</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ፈረሰኛታት ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጡ፤ ቍራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ደፊእኹም ቁሙ፤ ኲናውትኹም ወልውሉ፤ ድርዒ እውን ልበሱ።</verse>
				<verse number="5">ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥ ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ? ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤ ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤ ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤ እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤ ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።</verse>
				<verse number="7">እዝ ከም ምልኣት ሩባ ኣባይ ዝዘልል፥ ከም ጋሻ ውሕጅ ዝፈስስ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ግብፂ ኸም ምልኣት ኣባይ ይዘልል፤ እቲ ማይውን ከም ጋሻ ውሕጅ ይውርወር፤ ንዅላ ምድሪ እውን ክኸድና እየ፤ ንኸተማታታን ንነበርታን፥ ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤ ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤ እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥ ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥ ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።</verse>
				<verse number="10">እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤ ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥ ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣቲ ድንግል ጓል ግብፂ፥ ናብ ገለዓድ ኪዲ፤ ዝቕባእ መድሓኒታትውን ኣምፅኢ፤ ግና መድሓኒታት እተብዝሒ ብኸንቱ እዩ፤ ኣየሕውየክን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤ ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ። ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤ ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።</verse>
				<verse number="13">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤</verse>
				<verse number="14">ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥ ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤ ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤ ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።</verse>
				<verse number="15">ጀጋኑኻ ንምንታይ ወደቑ? እግዚኣብሄር ስለ ዝደፍኦም፥ ክቖሙ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤ ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤ ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="17">ኣብኡ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ጊዜኡ ዘሕለፈ ተዛሃሪ ኢሎም ፀውዕዎ።</verse>
				<verse number="18">ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="19">ሜምፎስ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፥ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ እሞ፥ ኦ ኣቲ ኣብ ግብፂ እትነብሪ ጓል፥ ተማሪኽኪ ክትከዲ ኢኺሞ ኣሕሉቕኪ ኣዳልዊ።</verse>
				<verse number="20">ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤ ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤ ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።</verse>
				<verse number="22">ሓይሊ ፀላኢ ደፊኡ ምስ መፀ፥ ግብፂ ኸም ተመን እናፋፀየት ትሃድም፤ እቶም ፀላእታ ኸዓ ኦም ከም ዝቘርፁ ሰባት፥ ምሳር ሒዞም ክመፅዋ እዮም፤</verse>
				<verse number="23">ነቲ ዘይሕለፍ ዱራውን ይቘርፅዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሳቶም ክቝፀሩ ዘይከኣሉ፥ ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም።</verse>
				<verse number="24">ጓል ግብፂ ነወረት፤ ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት።</verse>
				<verse number="25">ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="27">“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።</verse>
				<verse number="28">ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="47">
				<verse number="1">ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤ ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤ ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥ ኣብተን ከተማታትን፥ ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥ ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥ ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥ ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤ ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።</verse>
				<verse number="5">በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤ ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?</verse>
				<verse number="6">“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።</verse>
				<verse number="7">ግና እግዚኣብሄር ንኣስቀሎናን፥ ነቲ ወሰን ባሕርን ክወግእ እንትእዝዞ፥ ንኽፍፅሞውን ኣብኡ ኣዳልይዎ እዩሞ፥ ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="48">
				<verse number="1">ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦ ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ! ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤ ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤ ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥ ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤ ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ካብ ሖሮናይም፥ ናይ ምድምሳስን፥ ድምፂ ዓብዪ ጥፍኣትን፥ ዝብል ኣውያት ይስማዕ ኣሎ!</verse>
				<verse number="4">ሞኣብ ጠፊኣ እያ። ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="5">ብዓቐበት ሉሂት ብርቱዕ ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ፤ ኣብ ቍልቍለት ሖሮናይም፥ ድምፂ ጥፍኣትን መሪር ኣውያትን ሰምዑ።</verse>
				<verse number="6">ህደሙ፤ ህይወትኩምውን ኣድሕኑ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዘሎ ቘጥቋጥ ኩኑ።</verse>
				<verse number="7">ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተምልጥን እያ፤ እቲ ለሰ ኽጠፍእ፥ እቲ ጐልጐልውን ክበርስ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ነፊራ ኽተምልጥ፥ ንሞኣብ ክንፊ ሃብዋ፤ ከተማታታ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን፥ ክባድማ እየን።</verse>
				<verse number="10">እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤ ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥ ዝተረገመ ይኹን።</verse>
				<verse number="11">“ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን።</verse>
				<verse number="12">እንሆ፥ ኣነ ዘጋላብጥዋ ዝልእኸሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሳራሙኣ ኸዕርቑ፥ ንሳቶምውን ከገላብጥዋ፥ ኣጋንኣ ጥራሑ ኽገብሩ፥ መዕረቒታታ ኽሰባብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="14">“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?</verse>
				<verse number="15">ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤ እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤ ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።</verse>
				<verse number="16">ውድቀት ሞኣብ ይቐርብ ኣሎ፤ መከራኣ ኸዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="17">ኵልኻትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘለኹም ብኸዩላ፤ ኵልኻትኩም ስማ እትፈልጡ፥ እቲ ድልዱል በትሪ፥ እቲ ኽቡር ዘንጊኸ ኸመይ ኢሉ ተሰበረ? ኢልኩም ብኸዩላ።</verse>
				<verse number="18">ንሞኣብ ዝድምስስ፥ ንዕርድታታ ኸዓ ዘዕኑ፥ እንሆ፥ መፂኡ እዩ እሞ፥ ኣቲ ጓል ዲቦን፥ ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ።</verse>
				<verse number="19">ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ዄንኪ ተመልከቲ፤ ነቲ ዝሃድም ሰብኣይ፥ ነታ እተምልጥ ሰበይቲ፥ እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ጠይቒ።</verse>
				<verse number="20">‘ሞኣብ ፈሪሳ እያሞ፥ ሓፈረት፤ ዋይ በሉ፤ ኣእውዩ፤ ሞኣብ ኣብ ሩባ ኣርኖን፥ ተስዒራ እያሞ ነወረት’ ኢልኩም ንገሩ፤ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።”</verse>
				<verse number="21">“እተን ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ልዕሊ ሆሎን፥ ኣብ በያሳ፥ ኣብ ሜፍዓት፥</verse>
				<verse number="22">ኣብ ዲቦን፥ ኣብ ናባው፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ዲብላታይም፥</verse>
				<verse number="23">ኣብ ቂርያታይም፥ ኣብ ቤት ጋሙል፥ ኣብ ቤት ምዖን፥</verse>
				<verse number="24">ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ቀርኒ ሞኣብ ተቘሪፁ እዩ፤ ኢዳውን ተሰቢሩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።</verse>
				<verse number="27">ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?</verse>
				<verse number="28">ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።</verse>
				<verse number="29">ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።</verse>
				<verse number="30">ቍጥዓኡ እንታይ ከም ዝኾነ ኣነ ፈሊጠዮ ኣለኹ፤ ዛህራኡውን ከንቱ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ፈኸራኡ ኸንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="32">ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ።</verse>
				<verse number="33">ካብቲ ፈራዪ ገራሁን ካብ ሃገር ሞኣብን፥ ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ወይኒ ኻብ መሐምተሊኡ ኸም ዘይወርድ ገበርክዎ። ደጊም ወይኒ ብዕልልታ ኣይፅመቝን እዩ፤ እቲ ዕልልታኦምውን ዕልልታ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="34">ማይ ኔሞሬም ከዓ ምድሪ ኣፃምእ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣውያት ህዝቢ ሓሴቦንን ኤልያሊና ኽሳዕ ያሃፅ፥ ካብ ዞኣር ክሳዕ ሖሮናይም፥ ክሳዕ ዔግላት ሺልሺያ ኽስማዕ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ኣነ ኻብ ሞኣብ ኣብ ኰረብታ ንዝሰግዱን፥ ንኣማልኽቶም ንዝዓጥኑን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="36">“ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ።</verse>
				<verse number="37">ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ።</verse>
				<verse number="38">ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="39">ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”</verse>
				<verse number="40">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="41">ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="42">ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="43">ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ ዘለኹም፥ እግዚኣብሄር ከም ዝበሎ፥ ፍርሓትን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="44">እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ።</verse>
				<verse number="45">እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ።</verse>
				<verse number="46">ኣታ ሞኣብ፥ ህዝቢ ካሞሽ ጠፊኡ እዩ፤ ኣወዳትካ ተማሪኾም፥ ኣዋልድካ ኸዓ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ ወይለኻ!</verse>
				<verse number="47">ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="49">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="2">ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።</verse>
				<verse number="3">ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ።</verse>
				<verse number="4">ኣቲ መንዩ ዝመፀኒ ኢልኪ፥ ብመዝገብኪ ዝተኣመንኪ ጠላሚት ጓል፥ ስለ ምንታይ ብማይ ብዝፀገቡ ልሙዕ ለሰታትኪ ትምክሒ ኣለኺ?</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።</verse>
				<verse number="6">“ድሕሪዙይ ግና ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="7">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?</verse>
				<verse number="8">ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="9">ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ?</verse>
				<verse number="10">ኣነ ግና ንኤሳው ቀላዕኽዎ፤ ንመሕብኢኡ ድማ ገለፅክዎ፤ ክሕባእ ከዓ ኣይኽእልን እዩ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጠፍኡ እዮም፤ ንሱውን ድሕሪዙይ ኣይህሉን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”</verse>
				<verse number="12">እንሆ እምበኣር “እቶም ነታ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ኽሰትዩዋ ዘይግብኦም ሰትዮምዋ እዮም። ብሓቂዶ እንተይተቐፃዕኻ እትተርፍ ይመስለካ? እንተይተቐፃዕኻ ኣይትተርፍን ኢኻ። ብርግፅ ክትሰቲ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="14">“ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ንዑ ንውግእ ድማ ተልዓሉ!’ ዝብል ልኡኽ ተልኢኹ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="17">“ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="19">እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ድምፂ ኣወዳድቓኣቶም ዝተልዓለ ምድሪ ተናወፀት፤ ድምፂ ኣውያቶም ድማ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="23">ብዛዕባ ደማስቆ፥ “ክፉእ ወረ ስለ ዝሰምዓ ሃማትን ኣርፋድን ሓፈራ፤ መኸኻውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እውን ሓዘን ኣሎ፤ ክሃድኣውን ኣይከኣላን።</verse>
				<verse number="24">ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።</verse>
				<verse number="25">እታ ንእድቲ ኸተማ፥ እታ ናይ ሓጐሰይ ከተማ፥ ብኸመይ እያ ዘይተሓድገት?</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="27">ኣብ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንሱውን ንኣዳራሻት ወዲ ኣዴር ከባርዖ እዩ።”</verse>
				<verse number="28">ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስታት ኣሶርን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተስኡ ናብ ቄዳርውን ደይቡ፤ ነቶም ደቂ ምብራቕውን ኣጥፍእዎም።</verse>
				<verse number="29">ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም።</verse>
				<verse number="30">“ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="31">‘ተስኡ ነዞም መቺይዎምን ሃዲኦምን፥ ደገን መዓፁን መሸጐርን ኣብ ዘይብሎም፥ በይኖምውን ኣብ ዝነብሩ ህዝቢ ውፁ’ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="32">“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="33">ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”</verse>
				<verse number="34">ብንጉስ ይሁዳ ብሴዴቅያስ ዘመነ መንግስቲ መጀመርታ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="35">“እንሆ ናይ ሓይሎም መሰረት ንዝኾነ ቐስቲ ዔላም ክሰብር እየ።</verse>
				<verse number="36">ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ።</verse>
				<verse number="37">ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="38">ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="39">ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="50">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸተማ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነቢይ ኤርሚያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።</verse>
				<verse number="3">“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”</verse>
				<verse number="4">“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="6">“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ዝረኸብዎም በልዕዎም፤ ፀላእቶም ድማ፦ ንሳቶም ንመሕደሪ ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ ንተስፋ ኣቦታቶም ኣብ እግዚኣብሄር በዲሎም እዮም እሞ፥ ንሕና ኣይበደልናን በሉ።</verse>
				<verse number="8">“ኦ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ሃገር ከለዳውያንውን ውፁ፤ ከምቲ ዲበላታት ንመጓሰ ዝመርሕወን ቅድሚ ዅሉ ውፁ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን።</verse>
				<verse number="10">ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="11">“ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥</verse>
				<verse number="12">እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።</verse>
				<verse number="14">“ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዅልኻትኩም፥ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገይራ እያ እሞ፥ ሓደ እንተየትረፍኩም ፍላፃታት ወርውሩላ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="16">ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐፃዕኽዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐፅዕ እየ።</verse>
				<verse number="19">ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናብ ምድሪ ሞራታይምን፥ ናብቶም ኣብ ፋቁድ ዝነብሩን ውፃእ እሞ፥ ቅተሎምን ኣጥፍኣዮምን። ብዅሉ ድማ ኸምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር።</verse>
				<verse number="22">ድምፂ ውግእን ዓብዪ ዕንወትን፥ ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="23">ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት።</verse>
				<verse number="24">ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ዘርጊሐልኪ፤ በቲ ዘፃወድክዎ መፈንጠር ከዓ እንተይፈለጥኪ ተትሒዝኪ ኢኺ፤ ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ ዝተዋጋእኺ እሞ፥ ተረኸብክን ተትሓዝክን።</verse>
				<verse number="25">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="26">ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ።</verse>
				<verse number="27">ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”</verse>
				<verse number="28">ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።</verse>
				<verse number="29">“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="31">“ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="32">እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፤ ዘተስኦ ድማ የብሉን፤ ኣብ ውሽጢ ኸተማታቱ ኸዓ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ኵሉ ኸባቢኡውን ክቃፀል እዩ።”</verse>
				<verse number="33">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ብሓባር ተገፊዖም እዮም፤ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ብፅኑዕ ሓዝዎም፤ ከይሰድዎም ድማ ኣበዩ።</verse>
				<verse number="34">ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”</verse>
				<verse number="35">“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="36">ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሓሰውቲ ነቢያታ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ክዕሸዉ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም።</verse>
				<verse number="37">ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="38">ንሳ ናይ ዝተቐረፁ ምስልታት ምድሪ እያ፤ ንሳቶም ብጣዖታት ስለ ዝምክሑ፥ ኣብ ልዕሊ ማያታ ድርቂ ክኸውን እዩ፤ ንሳቶምውን ክደርቁ እዮም።</verse>
				<verse number="39">“ስለዙይ ባቢሎን ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኽነብሩላ እዮም፤ ሰገናትውን ኣብኣ ኽሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዝነብር ሰብ የለን፤ ንውሉድ ወለዶውን ኣብኣ ዝነብር የለን።</verse>
				<verse number="40">ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="41">“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="42">ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="43">ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="44">“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="45">ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።</verse>
				<verse number="46">ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="51">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዝነብሩን፥ ዘጥፍእ ንፋስ ክሰደላ እየ።</verse>
				<verse number="2">ንባቢሎን ዝበታትንዋ፥ ንሃገራ ኸዓ ዘባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓት ዝወርደላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብዅሉ ወገን ክወርዋን ከባድምዋን እዮም።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ልዕሊ እቲ ወርዋሪ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቀስቲ፥ ቀስቱ ይገትር። ነጓብዛ ኣይትራህርሁሎም፤ ንዅሉ ሰራዊትውን ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ኣብ ባቢሎን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም፤ ኣብ ኣደባባያታውን ቈሲሎም ክሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ምድሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እኳ እንተ መልአት፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም፥ ንህዝቢ እስራኤልን ንህዝቢ ይሁዳን ኣይደርበዮምን።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ጊዜ ሕነ ምፍዳይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ከምቲ ዝገበረቶ ኽፈድያ እዩ፤ ብሰንኪ ዓመፃኣ ኸይትጠፍኡስ፥ ካብ ባቢሎን ህደሙ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነፍሱ የድሕን።</verse>
				<verse number="7">ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ።</verse>
				<verse number="8">ንሳ ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፤ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከዓ ንቝስላ ፈውሲ ኣምፅኡላ።</verse>
				<verse number="9">‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”</verse>
				<verse number="10">“እግዚኣብሄር ንፅድቅና ኣውፂኡልና እዩ፤ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ፅዮን ንንገር።”</verse>
				<verse number="11">ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ብመዛግብቲ ዝበልፀግኪ፥ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘለኺ፥ እቲ መስፈሪ ስስዐኺ በፂሑ፥ ፍፃመኺውን ቀሪቡ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንባቢሎን ዝዋግኡ፥ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ሰባት፥ ከም ዘምፅአላ ብርእሱ መሓለ። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕለኺ ኽፍክሩ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ብሓይሉ ንምድሪ ፈጠራ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም መስረታ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም።</verse>
				<verse number="16">ድምፁ እንተስምዕ፥ ኣብ ሰማይ ማያት ይሃምም፤ ንግመ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ንላዕሊ ኽድይብ ይገብሮ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ሰብ፥ ፍልጠት ስኢኑ ሰነፈ፤ ኵሎም ኣንጠረኛታት፥ በቶም ዝሰርሕዎም ይሓፍሩ፤ እቶም ብፍሲ ዝተሰርሑ ምስልታት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሎምን እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ከንቱ ናይ ባጫ ኣቑሑ እዮም፤ ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ መዶሻይን ኣፅዋር ውግአይን ኢኺ፤ ብኣኺ ገይረ ህዝብታት ክሰባብር እየ፤ ብኣኺውን መንግስታት ከጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="21">ብኣኺ ንፈረስን ንፈረሰኛን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ከዓ፥ ክሰባብር እየ፤</verse>
				<verse number="22">ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክሰባብር እየ፤ ኣረጊትን ቈልዓን ድማ ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክሰባብር እየ፤</verse>
				<verse number="23">ብኣኺ ጓሳን መጓሰኡን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሓረስታይን ኣብዑሩን ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ገይረ ኣሕሉቕን፥ መኳንንትን ክሰባብር እየ።”</verse>
				<verse number="24">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።</verse>
				<verse number="25">ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ መጥፍኢ እምባ ናባኻ እየ፤ ኢደይ ዘርጊሐ ኻብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ፥ ዝተቓፀለ እምባውን ክገብረካ እየ።</verse>
				<verse number="26">ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽትኮን ኢኻ እምበር፥ ንመኣዝን ወይ ንመሰረት ዝኸውን እምኒ ኻባኻ ኸቶ ኣይውሰድን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="27">“ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።</verse>
				<verse number="28">ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፥ ኣሕሉቕን ኵላቶም መኳንንታን፥ ኵላ ግዝኣት እታ ሃገርን፥ ኣዳልዉላ።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።</verse>
				<verse number="30">ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ።</verse>
				<verse number="31">ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ወገን ከም ዝተትሓዘት ከውርዩሉ፥ እቲ ሓደ ጐያዪ ናብቲ ሓደ ጐያዪ፥ እቲ ሓደ ልኡኽ ከዓ ናብቲ ሓደ ልኡኽ ክራኸብ ይጐዪ።</verse>
				<verse number="32">ፀላኢ ነቲ መሰጋገሪ ሩባ ኸም ዝሓዞ፥ ነቲ ዕርድታትውን ብሓዊ ኸም ዘንደዶ፥ ንሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ድንጋፀ ኸም ዝወሓጦም ክነግርዎ ይጓየዩ።</verse>
				<verse number="33">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ጓል ባቢሎን ከም ዝርገፅ ዘሎ ዓውዲ እያ፤ ቁሩብ ፀኒሑ ድማ ቐውዒ ኽመፃ እዩ።”</verse>
				<verse number="34">ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን በልዐኒ፤ ከፋፈለኒውን፤ ከም ባዶ ኣቕሓ ድማ ገበረኒ፤ ከም ገበል ከዓ ወሓጠኒ፤ በቲ ዘዝጠዓመ ምግበይ ድማ ኸብዱ መልአ፤ ደርበየኒውን።</verse>
				<verse number="35">ኣብ ፅዮን እትነብር፦ “እቲ ኣባይን ኣብ ስጋይን ዝተገብረ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ይውረድ” ትብል። ኢየሩሳሌም ከዓ፥ “ደመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ዘለዉ ይውረድ” ትብል።</verse>
				<verse number="36">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽጣበቐልኪ፥ ሕነኺ ድማ ኽፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ባቢሎን ከንፅፎ፥ ንዒላታታ ኸዓ ኸንቅፆ እየ።</verse>
				<verse number="37">ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="38">ሓቢሮም ከም ኣናብስ ክጓዝሙ፥ ከም ኰራዅር ኣናብስ ከዓ ሕኒን ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="39">ምስ ረሰኑ፥ መስተ ኸቕርበሎም እየ፤ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ክገብሮም እየ። ከቶውን ከይነቕሑ ኸስክሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="40">ከም ጡበታትን ማጓሉን ዲበላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።”</verse>
				<verse number="41">እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሼሻኸ ከመይ ተትሓዘት! እታ ንዅሉ ምድሪ ምስጋና ዝነበረት ከመይ ተወሰደት! ባቢሎን ንኣህዛብ ከመይ ኢላ መስደመሚት ኮነት!</verse>
				<verse number="42">ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፤ ብርቱዕ ማዕበላቱ ድማ ኸደና።</verse>
				<verse number="43">ከተማታታ ሓደ እኳ ዘይነብረለን፥ ብኣኣተንውን ዝሓልፍ ዘይብለን፥ ዝባደማን ንቑፅ ምድረ በዳን ኮና።</verse>
				<verse number="44">ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="45">ኣቱም ህዝበይ፥ ካብ ማእኸላ ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ኻብቲ ጕሁር ቍጥዓ እግዚኣብሄር ርእስኹም ኣድሕኑ።</verse>
				<verse number="46">በዝ ዓመት እዙይ ሓደ ወረ ኽውረ፤ በቲ ዳሕረዋይ ዓመት ድማ ኻልእ ወረ ኽውረ፥ ኣብ ሃገር ከዓ ዓመፅ ኽስልጥን፥ ገዛኢውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ኽለዓል እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ በቲ ኣብታ ሃገር ዝስማዕ ወረ ኸዓ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="47">ስለዙይ፥ እንሆ፥ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ኵላ እታ ምድሪ ኸዓ ኽትሓፍር እያ፤ ኵሎም እቶም ዝተሓርዱ ኣብ ማእኸላ ኽወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="48">እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ክመፁዋ እዮም እሞ፥ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን፥ ብዛዕባ ባቢሎን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="49">ባቢሎን ካብ እስራኤል ተወጊኦም ዝሞቱ ኽወድቁ ከም ዝገበረት፥ ከምኡውን ቅቱላት ኵላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ከውድቑ እዮም።”</verse>
				<verse number="50">“ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።</verse>
				<verse number="51">ፀርፊ ሰማዕና እሞ ሓፈርና፤ ጓኖት ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዮም እዮም እሞ፥ ውርደት ንገፅና ጐልበቦ።</verse>
				<verse number="52">ስለዙይ እንሆ፥ ኣነ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተወግኡ ዅሎም ክገዓሩ እዮም።</verse>
				<verse number="53">ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፥ ልዕልና ሓይላውን እንተፅንዐት፥ ካባይ መጥፋእቲ ኽመፅዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="54">“ካብ ባቢሎን ኣውያት፥ ካብ ምድሪ ከለዳውያንውን፥ ዓብዪ ድምፂ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="55">እግዚኣብሄር ንባቢሎን፥ ኣጥፊእዋ እዩሞ፤ ነቲ ዓብዪ ድምፃውን ስቕ ኣቢልዎ እዩሞ። ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሃምም፤ ድምፂ ዓው ዓውታኦም ድማ ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="56">ኣብ ልዕሊ ባቢሎን መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ጀጋኑኣ ኽማረኹ እዮም፤ ቀስትታቶም ክሰባበር እዩ፤ እግዚኣብሄር ንግፍዐኛ ዝብቀል፥ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ዝፈዲ ኣምላኽ እዩ።</verse>
				<verse number="57">ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።</verse>
				<verse number="58">እቲ ገፊሕ ቅፅርታት ባቢሎን፥ ፈፂሙ ኽፈርስ እዩ፤ እቲ ነዊሕ መዓፁኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽሰርሑ እዮም፤ ኣህዛብ ከዓ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="59">ሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማሕሴ፥ ኣዛዚ ቤት ንጉስ ሴዴቅያስ ነበረ። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ሰራያ ናብ ባቢሎን ምስኡ ምስ ከደ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ቓል እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="60">ኤርሚያስ ንዅሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝወርድ መዓት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ባቢሎን ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ሓደ መፅሓፍ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="61">ኤርሚያስ ድማ ንሰራያ “ኣብ ባቢሎን ምስ ኣተኻ፥ ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ ኣንብበሎም።</verse>
				<verse number="62">ከምዙይውን በል፦ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፥ ሰብ ወይ እንስሳ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፥ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትገብራ ተዛሪብካ ኢኻ።’</verse>
				<verse number="63">ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእኻያ፥ እምኒ እሰረላ፤ ኣብ ማእኸል ፈለግ ኤፍራጥስ ድማ ደርብያ እሞ፥</verse>
				<verse number="64">ባቢሎን፥ በታ ኣነ ዘውርደላ መዓት ከምዙይ ኮይና ኽትሰጥም፥ መሊሳ ድማ ኣይትትስእን እያ፤ ህዝባውን ክደክም እዩ፤ ኢልካ ተዛረብ።” ቃል ኤርሚያስ ኣብዙይ ይውዳእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="52">
				<verse number="1">ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ንጉስ ኢዮኣቄም ዝገበሮ ሓጢኣት ገበረ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።</verse>
				<verse number="4">ናቡከደነፆር ከዓ ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዘመተ። ኣብ ዙርያኣ ድማ ሰፈሩ፤ ዕርድታት ሰሪሖም ከዓ ኸበብዋ።</verse>
				<verse number="5">እታ ኸተማ ኽሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት መንግስቲ ሴደቅያስ ተኸቢባ ነበረት።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="8">ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ንሴዴቅያስ ድማ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ። ሰራዊቱ ድማ ሓዲጎምዎ ፋሕ በሉ።</verse>
				<verse number="9">ንሴዴቅያስ ከዓ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆር ሽዑ ኣብታ ኣብ ሃማት እትርከብ ሪብላ እትብሃል ከተማ ነበረ። ኣብኣ ኸዓ ንሴዴቅያስ ፈረዶ።</verse>
				<verse number="10">ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ ኣብኣ ኣብ ሪብላ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="11">ብድሕሪዙይ ንሴዴቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፤ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኸዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="12">ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝቐውምን፥ ኣዛዚ ሰራዊቱን ናቡዘረዳን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።</verse>
				<verse number="13">ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።</verse>
				<verse number="14">እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዝነበረ መንደቕ ኣፍረሶ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንገሊኦም ካብቶም ድኻታት ህዝብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስቶም ቅድም ዓሚፆም፥ ምስ ንጉስ ባቢሎን ኣሻርዮም ዝነበሩን፥ ብሓባር ማሪኹ ንባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="16">ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም።</verse>
				<verse number="17">ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መቐመጢ ኣቑሑን፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጋብላን ሰባበርዎ፤ ንዅሉ እቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="18">ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘስርሖ ኽልተ ኣዕምድን፥ መቐመጢ ኣቑሑትን፥ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ዝተቐመጠ ጋብላን፥ ዝተሰርሐሉ ነሃስ የመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ ኽምዘን ኣይተኽኣለን።</verse>
				<verse number="21">እተን ኣዕምዲ ኽልቲአን ማዕረ ነበራ። ቁመተን ዓሰርተ ሸሞንተ እመት፥ ዙርያአን ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበራ። ውሽጠን ጓንጓ እቲ ዝተሰርሐሉ ሓፂን ከዓ ምርጓዱ ኣርባዕተ ኣፃብዕቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ልዕሊ ኽልቲአን ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ጕልላት ነበረን። እቲ ጕልላት ከዓ ብቕርፂ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ዘጌፀ ነበረ፤ እቲ ኻልእ ዓምዲ እውን፥ ናይቲ ሮማን ጌፃጌፅ ወሲኽካ ምስዙይ ሓደ ዓይነት ነበረ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ሓንቲ ዓምዲ ሚእቲ ሮማን ነበራ፤ እተን ሮማናት ብወፃኢ ተስዓን ሽዱሽተን ጥራሕ ይረአያ ነበራ።</verse>
				<verse number="24">ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="25">ካብታ ኸተማ ኸዓ፥ ንሓደ ነቲ ኣዛዚ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሸውዓተ መማኽርቲ ንጉስን፥ ነቲ ንህዝቢ እታ ሃገር፥ ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ፀሓፊ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ኻልኦት ስሳ ሰብኡትን ወሰደ።</verse>
				<verse number="26">ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ነዚኣቶም ወሲዱ ናብታ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝነበረላ ኸተማ ሪብላ ኣምፅኦም።</verse>
				<verse number="27">ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።</verse>
				<verse number="28">ናቡከደነፆር ማሪኹ ናይ ዝወሰዶ ቑፅሪ ህዝቢ እዙይ እዩ፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ ማረኸ።</verse>
				<verse number="29">ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንግስቱ፥ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ማረኸ።</verse>
				<verse number="30">ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንግስቱ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊቱ፥ ካብ ይሁዳ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሰባት ማረኸ። ብምሉኦም እቶም ዝተማረኹ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ።</verse>
				<verse number="31">ዮርማሮዴክ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ምሕረት ገበረሉ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውፅኦ። እዙይ፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፤ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።</verse>
				<verse number="32">ኤዊል መሮዳክ ብፅቡቕ ረአዮ፤ ንመንበሩ ድማ ኻብ መንበር እቶም ምስኡ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።</verse>
				<verse number="33">ንኢኮንያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ለወጠሉ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እንጀራ ይበልዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ንጉስ ባቢሎን ኵልሻዕ ንኢኮንያን እንተየቋረፀ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ቐለቡ ይህቦ ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="25">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?</verse>
				<verse number="2">ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ። ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥ ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን። ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤ ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።</verse>
				<verse number="3">ጋሜል። ይሁዳ ብሰንኪ ብርቱዕ መከራን፥ ፅኑዕ መግዛእትን፥ ተማረኸት። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ተቐመጠት፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣነት፤ ኵላቶም እቶም ዘጨንቕዋ ተጨኒቓ ረኸብዋ።</verse>
				<verse number="4">ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥ መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤ ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤ ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ። ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤ ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።</verse>
				<verse number="5">ሄ። ብሰንኪ ብዝሒ በደላ፥ እግዚኣብሄር መቕፃዕቲ ኣውሪዱላ እዩሞ፥ ፀላእታ ድማ ይገዝእዋ ኣለዉ። ወደረኛታታ ተመቸዎም፤ ደቃ ብፀላኢ ተማሪኾም ተወሰዱ።</verse>
				<verse number="6">ዋው። ንጓል ፅዮን ኵሉ ግርማ ተፈለያ፤ መሳፍንታ መዋፈሪ ኸም ዝሰኣኑ ዋልያታት ኮኑ፤ ቀቅድሚ እቲ ዘሳጕጎም ብድኻም ሃደሙ።</verse>
				<verse number="7">ዛይ። ኢየሩሳሌም ብመዓልቲታት መከራኣን ምንክርታታን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበራ ዅሉ ኽቡር ነገራትን፥ ትዝክሮ ኣላ። ህዝብታታ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምስ ወደቑ፥ ዝረድኣ ኣይረኸበትን፤ ፀላእታ ረአይዋ፤ ብምፍርራሳውን ሰሓቑ።</verse>
				<verse number="8">ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።</verse>
				<verse number="9">ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤ ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤ ዘፀናንዓውን የለን፤ ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።</verse>
				<verse number="10">ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።</verse>
				<verse number="11">ካፍ። ኵሉ ህዝባ ዝበልዖ እንጀራ ደልዩ የእዊ ኣሎ፤ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንዅሉ ኽቡር ጥሪቶም፥ ብምግቢ ይልውጥዎ ኣለዉ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን።</verse>
				<verse number="12">ላሜድ። “ኵልኹም ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲ፥ እዙይ ኣባኻትኩም ዝኾነ የለንዶ? እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ነኣይ ኸም ዝቐፅዐኒ፥ ከምቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ስቓይ ዝተቐበለ እንተሎ ኸዓ፥ ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።”</verse>
				<verse number="13">ሜም። “ካብ ላዕሊ ሓዊ፥ ናብ ኣዕፅምተይ ሰደደ፤ በርትዐኒውን፤ ንእግረይ መፈንጠር ዘርግሐለይ፤ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፤ ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።”</verse>
				<verse number="14">ኖን። “ኣርዑት በደለይ ብኢዱ ተትሓዘት፤ ተጠላሊፉ ድማ ኣብ ክሳደይ ተጠምጠመ፤ ንሓይለይውን ኣድከሞ፤ ጐይታ ናብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።”</verse>
				<verse number="15">ሳምኬት። “እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣብ ማእኸለይ ዝነበሩ ጀጋኖይ ደርበዮም፤ ነጕባዘይ ክጭፍልቕ፥ ሰራዊት ኣኽተተለይ፤ እግዚኣብሄር ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ፥ ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።”</verse>
				<verse number="16">“ዘፀናንዐኒ ንነፍሰይውን ዘህድኣ ኻባይ ርሒቑ እዩሞ፥ ስለዙይ ኣነ እበኪ ኣለኹ፤ ኣዒንተይ ድማ ንብዓት የፍስሳ፤ ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።”</verse>
				<verse number="17">ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤ “እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”</verse>
				<verse number="18">ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥ ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ስቓየይውን ረአዩ፤ ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”</verse>
				<verse number="19">ቆፍ። “ንፈተውተይ ፀዋዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣታለሉኒ፤ ካህናተይን ዓበይተይን፥ ሰብነቶም ንኸበርትዑ፥ ምግቢ ኽልምኑ እንተለዉ ኣብ ከተማታት ሃለቑ።”</verse>
				<verse number="20">ሬስ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ተጨኒቐ እየሞ፥ ኣምዑተይውን ተሃዊኹኒ እዩሞ ተመልከት፤ የመና ዓመፀኛ ኾይነ እየሞ፤ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገላበጠኒ፤ ኣብ ወፃኢ ሰይፊ ንደቀይ ይውድእ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ሞት ኣሎ።”</verse>
				<verse number="21">ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤ ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤ ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤ ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥ ክተምፅኣ ኢኻ፤ ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="22">ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥ ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።</verse>
				<verse number="2">ቤት። እግዚኣብሄር ንዅለን መንበሪ ያእቆብ፥ ብዘይ ምሕረት ወሓጠን፤ ኣይራህረሀንውን፤ ንዕርድታት ጓል ይሁዳውን ብቝጥዓኡ ኣፍረሶ፤ ናብ ምድሪ ድማ ኣውረዶም፤ ነታ መንግስትን ንመራሕታን ከዓ ኣርከሰ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም።</verse>
				<verse number="3">ጋሜል። በቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ንዅሉ ቐርኒ እስራኤል ሰበረ፤ ፀላኢ ምስ ተልዓለ ኸዓ፥ የማናይ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፤ ከምቲ ንኸባቢኡ ዝልቝምፅ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ነበልባል ሓዊ ነደደ።</verse>
				<verse number="4">ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="5">ሄ። እግዚኣብሄር ከም ፀላኢ ኾይኑ፥ ንእስራኤል ወሓጦ፤ ንዅሉ ቤተ መንግስታን ዕርድታታን ኣፍረሶ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ይሁዳ ኸዓ፥ ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ።</verse>
				<verse number="6">ዋው። ነታ መሕደሪኡውን ከም ተኽሊ ነቐላ፤ መአከቢ ስፍራኡውን ኣፍረሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ንበዓልን ሰንበትን ከም ዝርሳዕ ገበረ፤ ብናህሪ ቝጥዓኡ ንንጉስን ካህንንውን ኣዋረደ።</verse>
				<verse number="7">ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="8">ሔት። እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ጓል ፅዮን ዘሎ ቕፅሪ፥ ክፈርስ ከም ዘለዎ ወሰነ፤ መለክዒ ገመድ ዘርግሐ፤ ካብ ምጥፋእውን ኣእዳዉ ኣይመለሰን፤ ዕርድታትን ቅፅርን ከዓ ኽበኽዩ ገበረ፤ ሓቢሮም ድማ ደኸሙ።</verse>
				<verse number="9">ጤት። በሪታታ ኣብ ምድሪ ሰጠሙ፤ ንመሀርሀሪታታ ኣጥፍአ፤ ሰባበረ፤ ንጉሳን መሳፍንታን ሕጊ ኣብ ዘይብሎም ተማሪኾም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ደጊም ትምህርቲ ሕጊ ኣይህሉን፤ ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን።</verse>
				<verse number="10">ዮድ። እቶም ናይ ጓል ፅዮን ኣረጋውያን፥ ፀጥ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ኣለዉ፤ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስነሱ፤ ወጮውን ተኸደኑ፤ ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።</verse>
				<verse number="11">ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።</verse>
				<verse number="12">ላሜድ። ኣብ ልዕሊ ጐደናታት እታ ኸተማ፥ ከም ዝተወግአ ሰብ እንትደኽሙ፥ ኣብ ሕቝፊ እኖታቶም ትንፋሶም ክትወፅእ እንትትብል “እንጀራን ወይንን ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ንእኖታቶም ይጥይቑ።</verse>
				<verse number="13">ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?</verse>
				<verse number="14">ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ሳምኬት። ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ፥ ንጓል ኢየሩሳሌም እናፋፀዩ፥ “እዚኣ ድያ እታ ፍፁም ዝመልክዓ፥ ሓጐስ ኵላ ምድሪ እትብሃል ከተማ?” እናበሉ በእዳዎም የጣቕዑልኪ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ኸዓ የባጭዉልኪ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">ዔ። ኵሎም ፀላእትኺ ሓቢሮም ብሓይሊ ኣፎም ከፈቱ፤ እናፋፀዩ፥ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፥ “ውሒጥናያ፤ እታ ብሓቂ ዝተፀበናያ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ረኺብናያ፤ ርኢናያውን ይብሉ።”</verse>
				<verse number="17">ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።</verse>
				<verse number="18">ዳዴ። ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፤ ኣቲ ቕፅሪ ጓል ፅዮን መዓልትን ለይትን፥ ንብዓትኪ ኸም ወሓዚ ሩባ ይፍሰስ፤ ንባዕልኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፤ ንመርዓት ዓይንኺውን ኣይተዕርፊ።</verse>
				<verse number="19">ቆፍ። ተስኢ፤ ኣብ መጀመርታ ኽፋል ሓለዋ፥ ብለይቲ ኣእውዪ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ፤ ምእንቲ ነፍሲ እቶም ኣብ ኵሉ መኣዝን መንገዲ ብጥምየት ደኺሞም ዘለዉ ህፃናትኪ፥ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።</verse>
				<verse number="20">ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?</verse>
				<verse number="21">ሳን። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሞይቶም ኣብ መሬት፥ ኣብ ኣደባባያት ተደርብዮም ኣለዉ፤ ጐርዞታተይን ኣጕባዘይን ከዓ ብሰይፊ ወደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐተልካዮም፤ ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም።</verse>
				<verse number="22">ታው። ንበዓል ከም ዝፅዋዕ፥ ነቶም ዘፍርሑኒ ካብ ዙርያይ ፀዋዕኻለይ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ዘምለጠን ዝተረፈን የለን። ነቶም ዘዕበኽዎምን ዝተኸናኸንክዎምን፥ ፀላእየይ ወድኦም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤</verse>
				<verse number="2">ንሱ ብርሃን ናብዘይብሉ፥ ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ።</verse>
				<verse number="3">ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።</verse>
				<verse number="4">ቤት። ንስጋይን ንቘርበተይን ኣእረጎ፤ ነዕፅምተይውን ሰባበሮ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤ ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።</verse>
				<verse number="6">ከምቶም ቀደም ዝሞቱ፥ ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ።</verse>
				<verse number="7">ጋሜል። ከይወፅእ ብመንደቕ ከበበኒ፤ ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ።</verse>
				<verse number="8">ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥ ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።</verse>
				<verse number="9">ንመንገደይ ብዝተፀርቡ ኣእማን ዓፀዎ፤ ንመንገድታተይ ጥውይዋይ ገበሮ።</verse>
				<verse number="10">ዳሌጥ። ከም ዘድበየ ድቢ ተሓቢኡ ፀንሐኒ፤ ከም ዝፀናቶ ኣንበሳ ኾነኒ።</verse>
				<verse number="11">ንመንገደይ ለወጦ፤ ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን።</verse>
				<verse number="12">ቀስቱ ገተረ፤ ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ።</verse>
				<verse number="13">ሄ። ፍላፃታቱ ኻብ ሰገባኡ ኣውፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ።</verse>
				<verse number="14">መላገፂ ዅሉ ህዝበይ ኮንኩ፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂኣቶም ኮንኩ።</verse>
				<verse number="15">መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።</verse>
				<verse number="16">ዋው። ነስናነይ ብፀፀር ሰበረን፤ ብሓመድውን ከደነኒ።</verse>
				<verse number="17">ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤ ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥ ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።</verse>
				<verse number="19">ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥ ምረትን ሓሞትን ዘክር።</verse>
				<verse number="20">ነፍሰይ እንተየቋረፀት ትዝክሮ ኣላ፤ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት።</verse>
				<verse number="21">ይኹን እምበር ነዙይ ኣብ ልበይ ኣንብሮ፤ ስለዙይ ድማ ተስፋ እገብር።</verse>
				<verse number="22">ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥ ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤ ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="23">ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤ ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ነፍሰይ፥ “ዕድለይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ።</verse>
				<verse number="25">ጤት። እግዚኣብሄር ነቶም ብተስፋ ዝፅበይዎ፥ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንሰብ ብንእስነቱ ኣርዑት ምፅዋር ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ዮድ። እግዚኣብሄር ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፥ ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።</verse>
				<verse number="29">ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥ ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።</verse>
				<verse number="30">ንዝወቕዖ መልትሑ ይሃብ፤ ፀርፊውን ይፅገብ።</verse>
				<verse number="31">ካፍ። እግዚኣብሄር ንሰብ፥ ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ እሞ፤</verse>
				<verse number="32">እንተ ኣሕዘነኳ፥ ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ።</verse>
				<verse number="33">ፀገም ወይ መከራ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን።</verse>
				<verse number="34">ላሜድ። ኵሎም እሱራት እታ ምድሪ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ንኽረግፆም፥</verse>
				<verse number="35">ኣብ ቅድሚ ልዑል፥ ንሰብ መሰሉ እንትገሃስ፥</verse>
				<verse number="36">ሰብ፥ ፍትሒ እንትጐድሎ፥ ጐይታ ኣይፈቅድን።</verse>
				<verse number="37">ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?</verse>
				<verse number="38">ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ?</verse>
				<verse number="39">ስለ ምንታይ እቲ ህያው ሰብ ዘጕረምርም? ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ እንትቕፃዕ፥ ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም?</verse>
				<verse number="40">ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።</verse>
				<verse number="41">ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል።</verse>
				<verse number="42">“ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤ ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”</verse>
				<verse number="43">ሳምኬት። “ብቝጥዓ ኸደንካና፤ ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን።</verse>
				<verse number="44">ፀሎትና ከይሓልፍ፥ ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።</verse>
				<verse number="45">ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ጐሓፍን ጐድፍን ገበርካና።”</verse>
				<verse number="46">ዔ። “ኵሎም ፀላእትና፥ ኣብ ልዕሌና ኣፋቶም ከፈቱ።</verse>
				<verse number="47">ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥ ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።</verse>
				<verse number="48">ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥ ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”</verse>
				<verse number="49">ፌ። “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ክሳዕ ዝርእን፥ ዝምልከትን፥ ኣዒንተይ ብዘይዕረፍትን ብዘይምቍራፅን፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="50"></verse>
				<verse number="51">ነተን ኵለን ኣብ ከተማይ ዘለዋ ቘናጁ ዝበፅሐን መከራ፥ ዓይነይ ንነፍሰይ ኣጨነቓ።”</verse>
				<verse number="52">ፃዴ። “እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ፥ ከም ምህዳን ዒፍ ሃደኑኒ።</verse>
				<verse number="53">ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤ ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።</verse>
				<verse number="54">ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤ ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”</verse>
				<verse number="55">“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።</verse>
				<verse number="56">ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥ ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።</verse>
				<verse number="57">ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤ ‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”</verse>
				<verse number="58">ሬስ። “ኦ ጐይታ፥ ጠበቓይ ኮንካ፤ ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ።</verse>
				<verse number="59">ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ ፍትሒ ኣውፅአለይ።</verse>
				<verse number="60">ኵሉ በቐሎምን፥ ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ።</verse>
				<verse number="61">ሳን። ኦ ጐይታይ፥ ኵሉ ፀርፎምን ኣባይ ዝኣለምዎ ውዲቶምን ሰሚዕኻዮ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="62">ምሉእ መዓልቲ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡን፥ ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ።</verse>
				<verse number="63">ተመልከቶም! ኣብ ምቕማጦም ኮነ፥ ኣብ ምትሳኦም የላግፁለይ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="64">ታው። ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ግብሪ ኣእዳዎም፥ መሊስካ ኽፈሎም።</verse>
				<verse number="65">ንልቦም ኣደንዝዞ፤ መርገምካውን ኣውርደሎም።</verse>
				<verse number="66">ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።</verse>
				<verse number="2">ቤት። እቶም ከም ፅሩይ ወርቂ ዝኸበሩ ደቂ ፅዮንከ፥ ከመይ ኢሎም ከምቲ ሰራሒ መሬት፥ ዝሰርሖ ኣቑሑ ተቘፀሩ።</verse>
				<verse number="3">ጋሜል። ወኻሩ እኳ ኣጥባተን ሂበን፥ ንዀራኹረን የጥብዋ፤ ጓል ህዝበይ ግና፥ ኣብ ምድረ በዳ ከም ዘለዉ ሰገናት ጨካን ኮነት።</verse>
				<verse number="4">ዳሌጥ። ካብ ፅምኢ ማይ ዝተልዓለ፥ መልሓስ ህፃናት ምስ ትንሓጎም ተጣበቐ፤ ቈልዑ እንጀራ ለመኑ፤ ዝህቦም ግና የለን።</verse>
				<verse number="5">እቶም ጥዑም ምግቢ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ እንጀራ ስኢኖም ፈቐዶ መንገድታት ተንከራተቱ፤ እቶም ቀይሕ ሃሪ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፥ ኣብ ልዕሊ ዅምራ ሓመድ ደቀሱ።</verse>
				<verse number="6">ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።</verse>
				<verse number="7">ዛይ። ኣሕሉቓ ኻብ በረድ ዝፀረዩ፥ ካብ ፀባ ዝፅዕድዉ፥ ሰብነቶም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዝቐይሕ፥ መልክዓቶምውን ከም ሰንፔር ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ሔት። ግና ኻብ ፀለሎ ፀሊሞም፤ ኣብ መንገዲ ዘለልዮም የለን፤ ቈርበቶም ምስ ኣዕፅምቶም ተጣቢቑ፤ ከም ዕንፀይቲውን ነቐፁ።</verse>
				<verse number="9">ጤት። ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ፥ እቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ይሐሹ፤ ኣብ ሜዳ ምግቢ ብዘይምርካቦም፥ ዝበልዕዎ ስኢኖም ብጥሜት ሃሊቖም እዮምሞ።</verse>
				<verse number="10">ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።</verse>
				<verse number="11">ካፍ። እግዚኣብሄር ንመዓቱ ፈፀመ፤ ርሱን ቍጥዓኡውን ኣፍሰሰ፤ ኣብ ፅዮን ሓዊ ኣንደደ፤ ንመሰረታታውን ከም ዘቃፅሎ ገበረ።</verse>
				<verse number="12">ላሜድ። “ነገስታት ምድርን ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩን፥ ተፃራርን ፀላእን ብበርታት ኢየሩሳሌም ክኣትዉ እዮም ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ።”</verse>
				<verse number="13">ሜም። እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ብምኽንያት ሓጢኣት ነቢያታን፥ ብሰንኪ ኻህናታን፥ ንሳቶም ኣብ ውሽጣ፥ ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኖን። ሰብ ክዳውንቶም ንምንካእ ክሳዕ ዝፍንፍኖም፥ ብደም ረኺሶም፥ ከም ዕዉራት ኮይኖምውን፥ ኣብ ኣደባባያት ደርገፍገፍ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="15">ሳምኬት። እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፤ “ረሓቑ፥ ኣቱም ርኹሳት ረሓቑ፤ ኣይትንክኡና” እናበሉ፥ ይሰጕዎም ኣለዉ። ንሳቶም ከዓ ሃዲሞም ኰለል እንትብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ሰባት፥ “ደጊም ኣብዙይ ኣይነብሩን” ይብሉ።</verse>
				<verse number="16">ዔ። እግዚኣብሄር ባዕሉ በተኖም፤ መሊሱ ቝልሕ ኣይብሎምን፤ ገፅ እቶም ካህናት ኣይሓፈሩን፤ ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን።</verse>
				<verse number="17">ፌ። ነቲ ኸቶ ዘይመፅእ ሓገዝ ክንጥምት፥ ኣዒንትና ጠፊአን፤ ብምፅባይና ኻብቲ ኸድሕን ዘይኽእል ህዝቢ፥ ሓገዝ ተፀበና።</verse>
				<verse number="18">ዳዴ። ሰባት እግሪ እግርና ይከታተሉና ስለ ዝነበሩ፥ ብመንገድና ኽንከይድ ኣይከኣልናን፤ መወዳእታና ቐሪቡ፥ መዓልቲታትና ኣኺሉ እዩ፤ መወዳእታና በፂሑ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።</verse>
				<verse number="20">ሬስ። እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ብዛዕባኡ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣብ ፅላሉ ብህይወት ክንነብር ኢና፤ ዝበልናዮ ህይወት እስትንፋስና፥ ኣብ ጕድጓዶም ተትሓዘ።</verse>
				<verse number="21">ሳን። ኣቲ ኣብ ሃገር ዖፅ እትነብሪ ጓል ኤዶምያስ፥ ተሓጐሲ፤ ደስ ይበልኪ፤ ግናኸ እቲ ፅዋዕ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፤ ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ።</verse>
				<verse number="22">ታው። ኦ ጓል ፅዮን፥ መቕፃዕትኺ ኽውዳእ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ኣየማርኸክን እዩ፤ ኣቲ ጓል ኤዶምያስ ንበደልኪ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደና ዘክር፤ ቈላሕ በል እሞ ንውርደትና ጠምቶ።</verse>
				<verse number="2">ርስትና ንመፃእተኛታት፥ ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።</verse>
				<verse number="3">ኣቦ ዘይብሎም ደኽታማት ኮንና፤ እኖታትናውን መበለታት ኮና።</verse>
				<verse number="4">ማይና ብዋጋ ንሰቲ፥ ዕንፀይትናውን ብመሸጣ ንዕድግ።</verse>
				<verse number="5">ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፤ ንሕና ደኸምና፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣንና።</verse>
				<verse number="6">እንጀራ ምእንቲ ኽንፀግብ፥ ንግብፅን ኣሶርን ኢድና ሃብና።</verse>
				<verse number="7">ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።</verse>
				<verse number="8">ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፤ ካብ ኢዶም ዘናግፈና ኸዓ የለን።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ምድረ በዳ ኻብ ዘሎ ሰይፊ ዝተልዓለ፥ ብህይወትና እንጀራና ነምፅእ ኣለና።</verse>
				<verse number="10">ካብቲ ረስኒ ጥሜት ዝተልዓለ ቈርበትና ኸም እቶን ፀለመ።</verse>
				<verse number="11">ንኣንስቲ ኣብ ፅዮን፥ ንደናግል ድማ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዓመፁወን፤</verse>
				<verse number="12">ንመራሕቲ በእዳዎም ሰቐልዎም፤ ንኣረጋውያንውን ኣየኽበርዎምን።</verse>
				<verse number="13">ኣጕባዝ መጥሓን ተሰከሙ፤ ኣወዳት ቈልዑ ኸዓ፥ ዕንፀይቲ ተሰኪሞም ሰንከልከል በሉ።</verse>
				<verse number="14">ኣረጋውያንና ደጊም ኣብ ባይቶ ኣይቕመጡን፤ መንእሰያት ከዓ ድምፂ በገናኦም ሓደጉ።</verse>
				<verse number="15">ታሕጓስ ካብ ልብና ጠፍአ፤ ጐይላና ናብ ብኽያት ተለወጠ።</verse>
				<verse number="16">ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፤ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና።</verse>
				<verse number="17">ካብዙይ ዝተልዓለውን ልብና ጠለመና፤ ኣዒንትናውን ደኸማ፤</verse>
				<verse number="18">ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻ ግና ኦ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ትነብር፤ ዙፋንካ ኸዓ ኻብ ትውልዲ ኽሳዕ ትውልዲ ይነብር፤</verse>
				<verse number="20">ስለ ምንታይ ፈፂምካ እትርስዐና? ስለ ምንታይከ ንነዊሕ ዘመን እትሓድገና?</verse>
				<verse number="21">ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ ምለሰና፤ ንሕናውን ክንምለስ ኢና፤ ንዘመናትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሓድሶ።</verse>
				<verse number="22">ፈፂምካ ደርቢኻና ዲኻ? የመናኸ ተቘጢዕኻና ዲኻ?</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="26">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥</verse>
				<verse number="3">ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።</verse>
				<verse number="4">እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ።</verse>
				<verse number="5">ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም።</verse>
				<verse number="7">ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="8">በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም።</verse>
				<verse number="9">ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም።</verse>
				<verse number="11">ኣኽናፎምውን ብላዕሊ ተዘርጊሑ ነበረ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፥ እታ ሓንቲ ምስቲ ናይቲ ሓደ እትላገብ፥ እተን ክልተ ድማ ኣካሎም ዝኸድና እየን።</verse>
				<verse number="12">ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፤ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፤ ክኸዱ እንተለዉ ድማ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓዊን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንፀባርቕን ነበረ፤ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም እንስሳ ኽጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገፆም ረአኹዎም።</verse>
				<verse number="16">ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ክኸዱ እንተለዉ፥ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፤ እንትኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">ቁመቶምውን ነዊሕን መፍርሕን ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ዙርያ ኹለንተናኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="19">እቶም እንስሳ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ልዕል ልዕል ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቃኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፤ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="21">መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፥ ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ይኸይድ፤ ንሳቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፉ፥ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ኣካሎም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም።</verse>
				<verse number="24">ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ተሰምዐ፤ ደው ክብሉ እንተለዉውን ኣኽናፎም ትሕት የብሉ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ክዛረበኒ እንተሎ ኸዓ፥ መንፈስ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፤ ነቲ ዝዛረበኒውን ሰማዕኽዎ።</verse>
				<verse number="3">በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">ናብ እዞም ገፆም ዝተረረ፥ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣለኹ፤ ንስኻ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">“ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="6">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ።</verse>
				<verse number="7">ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ።</verse>
				<verse number="8">“ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።”</verse>
				<verse number="9">ጠመትኩ እሞ፥ እንሆ፥ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ ነበረት፤ እንሆ፥ ኣብኣ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ነበረት።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝረኸብካዮ ብላዕ፤ ነታ መፅሓፍ ብልዓያ፤ ኬድኻ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ንሱውን ነታ መፅሓፍ ኣዀለሰኒ፤</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከብድኻ ኣፅግብ፥ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ዝህበካ መፅሓፍ ምልኣዮ” በለኒ፤ ሽዑ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጠዐመት።</verse>
				<verse number="4">በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ፤ ቃላተይ ድማ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="5">ናብ ቤት እስራኤል እምበር፥ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዓል፥ ዘረባኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ፥ ናብ ቃላቶም ዘይትርድኦ ህዝብታት ኣይተልኣኽካን፤ ብርግፅ ናብኣቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንስ፥ ምሰምዑኻ ነይሮም።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ንገፅካ ኣንፃር ገፆም፥ ንግምባርካውን ኣንፃር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ።</verse>
				<verse number="9">ንግምባርካ ኣልማዝ፥ ካብ ብላድ እምኒ ኸም ዝብርትዕ ገይረዮ እየ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍርሓዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ኣይትደንግፅ።”</verse>
				<verse number="10">መሊሱውን በለኒ፤ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅሉ እቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ።</verse>
				<verse number="11">ናብቶም ምሩኻት፥ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፥ ኢልካ ንገሮምን በሎምን።”</verse>
				<verse number="12">እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዓለኒ፤ ብድሕረይ ድማ፥ “ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኸዓ ህማም እቲ ንስንሳቱ ዝጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን፥ ድምፂ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዅርን፥ ድምፂ እቲ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="14">እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።</verse>
				<verse number="15">ናብቶም ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር፥ ኣብ ቴል ኣቢብ ዝነበሩ ምሩኻት ከዓ መፃእኹ። ኣብኡውን እናስቈርቈርኩ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጥኩ።</verse>
				<verse number="16">ኮነ ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="17">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ነቲ ሓጢኣተኛ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ፥ ምስ በልክዎ፥ እንተ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ካብ መንገዲ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፥ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘየጠንቀቕካዮን፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።</verse>
				<verse number="19">ግናኸ ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱን ካብ መንገዲ ሓጢኣቱን እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ።</verse>
				<verse number="20">“ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።</verse>
				<verse number="21">ንስኻ ግና፥ እቲ ፃድቕ ሓጢኣት ከይገብር እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ብሓቂ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።”</verse>
				<verse number="22">ኣብኡውን ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ “ተስእ ናብ ጐልጐል ውፃእ፤ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ተሲአ ናብ ጐልጐል ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ኽብሪ፥ ኣብኡ ቖይሙ ነበረ፤ ብገፀይውን ወደቕኩ።</verse>
				<verse number="24">እቲ መንፈስ ከዓ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ እሞ፥ “ኪድ ኣብ ቤትካ ተዓፆ” ኢሉ ተዛረበኒ።</verse>
				<verse number="25">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ መእሰሪ ኽገብሩልካን ክኣስሩኻን እዮም፤ ካብ ማእኸሎም ድማ ኣይትወፅእን ኢኻ።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ።</verse>
				<verse number="27">እንትዛረበካ ግና፥ ንኣፍካ ክኸፍቶ እየ፤ ንስኻውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ክትብሎም ኢኻ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፤ ዝኣቢውን ይእበ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጡብ ውሰድ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ኣንብሮ እሞ፥ ከተማ ኢየሩሳሌም ሰኣለሉ።</verse>
				<verse number="2">ክቢ ኽበባ፤ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ስራሕ፤ ዕርዲ ዓርዳ፤ ሓመድ ደልድለላ፤ ሰፈር ኣቑመላ፤ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ዘፍርስ ጕንዲ ግበር።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ ኸዓ መቚሎ ሓፂን ወሲድካ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን፥ ከም መንደቕ ሓፂን ጌርካ ኣንብሮ፤ ገፅካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፤ ክብብቲ ትኹን፤ ክበባውን፤ እዙይ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።</verse>
				<verse number="4">“ደሓር ብፀጋማይ ጐንኻ ደቅስ፤ ኣብኡውን ንሓጢኣት ቤት እስራኤል ኣንብሮ፤ ክንዲ ቝፅሪ እተን ዝደቀስካለን መዓልቲታት ከዓ ሓጢኣቶም ክትፀውር ኢኻ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ድማ ንዓመታት ሓጢኣቶም ብቚፅሪ መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ገይረልካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ቤት እስራኤል ክትፀውር ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ምስ ኣእኸልካ ኸዓ፥ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ነርብዓ መዓልቲ እውን ሓጢኣት ቤት ይሁዳ ኽትፀውር ኢኻ፤ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">“ገፅካን እቲ ጥራሑ ዘሎ ቕልፅምካን ናብታ ኽብብቲ ኢየሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ብገመድ ቀጥ ኣቢልካ፥ ነተን መዓልቲታት ምኽባብካ እንተየእኸልካየን ከዓ፥ ካብ ሓደ ጐንኻ ናብቲ ሓደ ጐንኻ ኣይትግልበጥን ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">“ንስኻ ስርናይን ስገምን ዓተርን ዓተር ባሕሪን ብርስንን ዓረስን ውሰድ፤ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፥ እንጀራ ሰንክት፤ ብቚፅሪ እተን ብሓደ ጐንኻ እትድቅሰለን መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ክትበልዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="10">እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሰቕሊ ይኹን። በብጊዜኡ ኽትበልዖ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ማይውን ብመስፈሪ፥ ሻድሸይቲ ኣፍ ኢን፥ ክትሰቲ ኢኻ። በብጊዜኡ ኽትሰትዮ ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድሚኣቶም ብዅስሒ ሰብ ኣብሲልካ፥ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣነ ናብኣቶም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኮይኖም፥ ከምኡ ርኹስ እንጀራኦም ክበልዑ እዮም” በለ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኣነ፥ “ወዮ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ፥ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን፤ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኹን፤ ርኹስ ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን” በልኩ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ኸዓ፥ “እንሆ፥ ክንዲ ብዅስሒ ሰብ፥ ዒባ ኸፍቲ እህበካ ኣለኹ፤ ብእኡ ጌርካ እንጀራኻ ኽተብስል ኢኻ” በለኒ።</verse>
				<verse number="16">መሊሱውን “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጀራ ኽሰብሮ እየ፤ እንጀራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፥ ንእንጀራ ብሚዛንን ብፍርሕን ክበልዕዎ፥ ንማይ ከዓ ብመስፈሪን ብድንጋፀን ክሰትይዎ እዮም፤ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኾይኖም ክትክዙ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶምውን ክጠፍኡ እዮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">“ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ።</verse>
				<verse number="2">መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።</verse>
				<verse number="3">ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን።</verse>
				<verse number="4">ካብ እዚኣተን ከዓ መሊስካ ውሰድ፤ ኣብ ማእኸል ሓዊ ድማ ደርብየን፥ ብሓዊውን ኣቃፅለን፤ ድሕሪዙይ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወፅእ እዩ።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዚኣስ ኢየሩሳሌም እያ፤ ኣነ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣንበርክዋ፤ ሃገራትውን ኣብ ዙርያኣ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="6">ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።”</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስድታት ስለ ዝኾንኩምን ከም ሕግጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን፥ ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምን”</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ።</verse>
				<verse number="9">ብሰንኪ ዅሉ ርኽሰትኪ ኸዓ፥ ገይረዮ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪዙይውን ከቶ ዘይገብሮ፥ ክገብረኪ እየ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን።</verse>
				<verse number="12">ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።</verse>
				<verse number="13">“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ኣህዛብን፥ ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ዅላቶምን ከዓ፥ ምድረ በዳን መፃረፍን ክገብረኪ እየ።</verse>
				<verse number="15">“ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ንጥፍኣቶም ዝኸውን፥ ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላፃ፥ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፥ ምእንቲ ኸጥፍአኩም ክሰዶ እየ፤ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፤ ንምርኩስ እንጀራኹምውን ክሰብሮ እየ።</verse>
				<verse number="17">ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባታት እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን።</verse>
				<verse number="3">በልውን፦ ኣትን እምባታት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንዒላታትን ንለሰታትን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ፥ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምፅአልኩም፥ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="4">መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ።</verse>
				<verse number="5">ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ከንብሮ፥ ንኣዕፅምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም ክዘርዎ እየ።</verse>
				<verse number="6">መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ማእኸልኩም ክወድቁ እዮም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽፈልጡ እዮም፤ እዝ መዓት እዙይ ከምፅአሎም እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="11">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፥ ብኢድካ ኣጣቕዕ፤ ብእግርኻ ኸዓ ኾደብደብ በል፤ ብዛዕባ ዅሉ ናይ ቤት እስራኤል ርኽሰት ድማ፥ ወዮ! በል።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምድሪ እስራኤል ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ መወዳእታ፥ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገር መወዳእታ በፂሑ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">“ሕዚ መወዳእታ ኣባኺ መፀ፤ ቍጥዓይ ድማ ኽሰደልኪ፥ ከም መንገድኺ መጠን ክፈርደኪ፥ ኵሉ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።</verse>
				<verse number="4">ዓይነይ ኣየናሕስየልክን፤ ኣነውን ኣይርህርሀልክን፤ ኣነስ መንገድኺውን ኣብ ልዕሌኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መዓት፥ በይኑ ዝኾነ መዓት እንሆ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="6">መወዳእታ መፀ፤ እቲ መወዳእታ መፀ፤ ተልዓለኪ፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ዘለኻ፥ ተራኻ መፀካ፥ እቲ ጊዜ በፅሐ፤ ዕልልታ ኣብ እምባታት ዘይስምዐላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።</verse>
				<verse number="8">“ሕዚ ብቕልጡፍ ቍጥዓይ ክኽዕወልኪ፥ ሕነ ቝጥዓይ ከዓ ኽወፀልኪ፥ ከም መጠን መንገድኺ ድማ ኽፈርደኪ፥ ንዅሉ ርኽሰትኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ።</verse>
				<verse number="9">ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="10">እንሆ እታ መዓልቲ፥ እኒሃ መፀት፤ ተራኺ በፅሐ፤ እታ በትሪ ዓምበበት፤ ትዕቢት ከዓ ጠጥዐ።</verse>
				<verse number="11">ዓመፃ፥ በትሪ ሓጢኣት ኮይና ተልዓለት፤ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኣቶምን ዝተርፍ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="12">ዘመን በፂሑ፤ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ፤ ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፥ ዝገዝእ ኣይተሓጐስ፤ ዝሸይጥውን ኣይጕሀ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ዝሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፥ ናብቲ ዝሸጦ ኣይምለስን እዩ፤ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝኾነ ራእይ፥ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ እሞ፥ ብዓመፅ ዝነብር ንህይወቱ ዘፅንዓ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="14">መለኸት ተነፍሐ፤ ኵሉ ኸዓ ተዳለወ፤ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፥ ናብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ወፃኢ ሰይፊ፥ ኣብ ውሽጢ ኸዓ ፌራን ጥሜትን ኣሎ፤ እቲ ኣብ መይዳ ዘሎ ብሰይፊ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ክውሕጦ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ካብኣቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግቢታት ሽንጥሮ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቶም እናቘዘሙ፥ ኣብ እምባታት ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ኵለን ኣእዳው ክዳኸማ፥ ኵለን ኣብራኽ ድማ ኸም ማይ ክፈሳ እየን።</verse>
				<verse number="18">ከሊ ኽዕጠቑ፥ ራዕዲ ኽኽደኑ፥ ኵሉ ገፅ፥ ሕፍረት ክጕልበብ፥ ኵሉ ኣራእሶም ድማ ኽነፅይዎ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዩ፥ ወርቆም ከዓ ኸም ርኹስ ነገር ክኽውን እዩ፤ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ናይ ሓጢኣቶም መዐንቀፊ እምኒ ስለ ዝኾነ፥ ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንጥሜቶም ኣየፅግቦን፤ ንኸብዶምውን ኣይመልአሎምን እዩ።</verse>
				<verse number="20">መልክዕ ሽልማቶም ንትዕቢት ኮኖም፤ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣዖታቶምን ንርኽሰት ገበርክዎ።</verse>
				<verse number="21">“ዘመተ ክኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፥ ምርኮ ክኽውን ከዓ ንዓመፅቲ ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸርክስዎ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ካብኣቶም ገፀይ ክምልስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ንምስጢረይ ከርክስዎ፥ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኸርክስዋ እዮም።</verse>
				<verse number="23">“እዛ ምድሪ እዚኣ ብደም መሊኣ ኣላ፤ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመፅ መሊእዋ እዩ እሞ፥ ሞቑሕ ኣዳሉ።</verse>
				<verse number="24">ነቶም የመና ሕሱማት ካብ ኣህዛብ ከምፅእ እየ እሞ፥ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም፤ ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፤ መቕደሳቶም ከዓ ኽረኽሳ እየን።</verse>
				<verse number="25">ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ሰላም ክደልዩ እዮም፤ ኣይርከብንውን።</verse>
				<verse number="26">መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ንጉስ ክትክዝ፥ እቲ ሓለቓ ድማ ሓዘን ክኽደን፥ ኣእዳው እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ራዕራዕ ክብል እዩ። ከም መጠን መንገዶም ክፈድዮም፥ ከከም ዝግብኦም ከዓ ኽፈርዶም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ኮነ ድማ፥ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፥ ኣብታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም እንተለዉ፥ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ረአኹ፥ እንሆ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ ነበረ፤ ካብቲ ምስሊ ኻብ ሕቘኡ ንታሕቲ ሓዊ፥ ካብ ሕቘኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንፀባርቕ ወርቅን ዝመስል ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፤ ብፀጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፤ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፤ ብራእይ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደኒ፤ ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ ኣምፅአኒ፤ ኣብኡውን እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ፥ ናይ ቅንኣት ጣዖት ተተኺሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ለሰ ዝረአኽዎ ትርኢት፥ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፥ እዙይ ናይ ቅንኣት ጣዖት ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ትርኢ ኣለኻ? ኣነ ኻብ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ፥ ክርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ርኽሰትዶ ትርኢ ኣለኻ? አረ ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸዓ ናብ ደገ እቲ ዓፀድ ወሰደኒ፤ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረአኹ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ፤ ነቲ መንደቕ ምስ ኰዓትክዎ ድማ፥ እንሆ፥ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱውን “እቶ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ኽፉእ ርኽሰት ረአ!” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ፥ “አረ ኻብዙይ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።</verse>
				<verse number="14">ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዮዶ? ገና ኻብዙይ ዝገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።</verse>
				<verse number="16">ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን፥ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ገፆም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንፀሓይ ይሰግዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኣብ ኣእዛነይ ከዓ፥ እቶም ነታ ኸተማ ዝቐፅዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዘጥፍአሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፥ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ድማ፥ ሽዱሽተ ሰባት፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዝቐትለሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ መንገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ላዕለዋይ ደገ መፁ፤ ሓደ ሰብኣይ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዘለዎ፥ ኣብ ማእኸሎም ነበረ። ኣትዮም ድማ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሃስ ቆሙ።</verse>
				<verse number="3">ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፥ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ፀውዖ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ እናሰማዕኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ነቶም ካልኦት በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፤ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትሕዘን፤ ኣይትራህርሁውን።</verse>
				<verse number="6">ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ድማ፥ “ነታ ቤት ኣርክስዋ! ነቲ ኣደባባያት ከዓ ብምዉታት ምልእዎ! ውፁ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ወፁ፤ ኣብታ ኸተማውን ይቐትሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ኮነ ድማ፥ ክቐትሉ እንተለዉ፥ ኣነ ተረፍኩ፤ ብገፀይ ወደቕኩ እሞ፥ “ወዮ! ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ቍጥዓኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ክዒውካዶ፥ ንዅሎም ተረፍ እስራኤል ክተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ዓይነይ ኣይሓዝንን፤ ኣነ ኣይርህርህን፤ መንገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።”</verse>
				<verse number="11">እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ እተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ፥ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ” ኢሉ ፀብፃቡ ሃበ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ ነቲ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፤ ካብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፍሓም ድማ፥ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በትኖ” ኢሉ ተዛረቦ፤ ንሱውን እናረአኽዎ ኣተወ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሰብኣይ ክኣቱ እንተሎ፥ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት፥ ደው ኢሎም ነበሩ፤ እቲ ደመና ኸዓ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ።</verse>
				<verse number="4">ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ እታ ቤት ድማ ብደመና መልአት፤ እቲ ዓፀድውን ብፀዳል ክብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="6">ኮነ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ፥ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፥ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፥ ንሱ ኣተወ፤ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቖመ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኪሩብ ድማ፥ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፤ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ድማ ኣንበሮ፤ ንሱውን ሒዙ ወፀ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ኢድ ሰብ ዝመስል ተርኣየ።</verse>
				<verse number="9">ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ሓሓንቲ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ፤ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ከም ሕብሪ እምኒ ቢረሌ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከዓ ይመሳሰል ነበረ፤ እቲ ሓደ መንኰራዅር፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ክኸዱ እንተለዉ ድማ በርባዕተ ጐድኖም ይኸዱ ነበሩ፤ እንትኸዱ ኸዓ ናብ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘምርሖ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፥ ክኸዱ እንተለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን፥ እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ መንኰራዅር ከዓ፥ ኣነ እናሰማዕኹ፥ ጌልጌል ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቐዳማይ ገፅ ኪሩብ፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናይ ኣንበሳ ገፅ፥ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ንስሪ ገፅ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኪሩቤል ከዓ ልዕል ልዕል በሉ፤ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኪሩቤል ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐኒ ጐኖም ይኸይድ ነበረ፤ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ እንትለዓሉ ኣኽናፎምውን እንትዝርግሑ፥ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኣቶም ኣየግልስን ነበረ።</verse>
				<verse number="17">መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኣቶም ስለ ዝነበረ፥ እቲኣቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ደው ይብል ነበረ፤ እቲኣቶም ክለዓሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ይለዓል ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወፀ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከዓ ቖመ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ፤ ክነቕሉ እንተለዉ ኸዓ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተልዓሉ፤ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቖሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="20">እዚኣቶም ከዓ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኽዎም።</verse>
				<verse number="21">ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከዓ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም።</verse>
				<verse number="22">መልክዕ ገፆም ከምቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኹዎ ገፅ ነበረ፥ ትርኢቶምውን ከምኡ ነበረ፤ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ቀጥ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ፥ ያእዛንያ ወዲ ዓዙርያን ፈላጥያ ወዲ በናያን ረአኽዎም።</verse>
				<verse number="2">በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝሓስቡ፥ ክፉእውን ዝመኽሩ ሰባት እዮም።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ።</verse>
				<verse number="5">መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣባይ ወረደ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንስኻትኩም ከምዙይ ትብሉ ኣለኹም፤ ኣነውን ንሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፤ ነደባባያታውን ቅቱላት መላእኹምዋ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ኣብ ማእኸላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፥ ንሳቶም ስጋ እዮም፤ ንሳ ኸዓ ድስቲ እያ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ማእኸላ ኽትወፁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ማእኸላ ኸውፅአኩም፥ ናብ ኢድ ጓኖት ከዓ ኸሕልፈኩም፥ ፍርድውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="10">ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይትኾነልኩምን፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ማእኸላ ስጋ ኣይትኾኑን ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩምስ ሕጊ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፥ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፤ ፍርደይ ከዓ ኣይገበርኩምን እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።</verse>
				<verse number="14">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="15">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።”</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="18">ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ግናኸ እቶም፥ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ርኽሰቶምን ዝስዕብስ፥ መንገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኣብ ጐኖም ነበረ፤ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ማእኸል እታ ኸተማ ተልዓለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ እምባ ቖመ።</verse>
				<verse number="24">መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ ኸዓ እቲ እግዚኣብሄር ዘርአየኒ፥ ኵሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።”</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቅድሚኣቶም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፤ ብእኡ ድማ ኣውፅኣዮ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ መንኰብካ ፁሮ፤ ምስ ፀልመተ ድማ ኣውፅኣዮ። ንቤት እስራኤል ምልክት ገይረካ እየሞ፥ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትሪኣ ገፅካ ሸፍን።”</verse>
				<verse number="7">ኣነ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፤ ንጓዓዘይ፥ ከም ጓዓዝ ስደት ገይረ፥ ብመዓልቲ ኣውፃእኽዎ፤ ምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ፀልመተ ድማ፥ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣውፃእኽዎ።</verse>
				<verse number="8">ንፅባሒቱ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="9">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፥ ‘እዛ ዓማፂት ቤትስ፥ እንታይ ደኣ ኢኻ እትገብሮ ዘለኻ?’ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን?</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እዝ ፆር እዙይ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ሓለቓን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="11">በልውን፥ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኽገብርዎም እዮም፤ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን።</verse>
				<verse number="14">ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፥ ደድሕሪኣቶም ድማ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።</verse>
				<verse number="15">“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ምስ በተንክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራት ድማ ምስ ዘራእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ካብኣቶም ግና ኣብቶም ዝኸድዎም ህዝብታት፥ ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኸዘንትዉስ፥ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ውሑዳት ከትርፍ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="18">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፤ ማይካ ኸዓ ብፍርሓት ቀጥቀጥ እናበልካ ስተ።</verse>
				<verse number="19">‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።”</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="22">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘመን ይነውሕ፤ ራእይ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፥ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ዝምስላኡ እዩ እዙይ?</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ ከምዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ መሊሶም ኣይምስሉዎን እዮም። ንስኻ ግና፥ ዘመንን መፈፀምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፥ ኢልካ ደኣ ንገሮም።”</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ “ኣብ ማእኸል ቤት እስራኤል ድሕሪዙይ ከንቱ ራእይን ናይ ሓሰት ትንቢትን ኣይኸውንን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="26">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="27">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ ቤት እስራኤል እቲ እትሪኦ ራእይ ‘ንዝመፅእ ነዊሕ ዘመን እዩ፤ ንርሑቕ ዘሎ ጊዜያት ድማ እዩ ዝንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድሕሪዙይ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ እኳ ኣይትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከዓ ኽትፍፀም እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል፥ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ነቶም ካብ ልቦም ፈጢሮም ዝንበዩ ዘለዉውን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ነቶም ዝኾነ ኸይረኣዩስ፥ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነቢያት ወይለኦም” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">“ኣታ እስራኤል፥ ነቢያትካ ኸምተን ኣብ ምድረ በዳ ዝነብራ ወኻሩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቆሙ፥ ናብቲ ፍራስ ኣይወፃእኹምን፤ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቅፅሪ ኣይሰራሕኹምን።</verse>
				<verse number="6">እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፥ ‘እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝረአኹምዎ? ትንቢት ሓሰትዶኸ ኣይኮነን እተዛረብኩምዎ?”</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ “ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሰት ራእይውን ስለ ዝረአኹም፥ ስለዙይ እኒሀኹ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="9">ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="10">“ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ።</verse>
				<verse number="11">ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እንሆ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፥ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ፀብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይብሉኹምን እዮም?”</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብመዓተይ ህቦብላ ንፋስ ክሰድድ ብቝጥዓይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፥ ብመዓተይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">“ነቲ መንደቕን፥ ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝለቕለቕዎን፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም እየ። ኣነ ድማ፥ እቲ መንደቕ የለን፤ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ከዓ እቶም ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝንበዩ፥ ራእይ ሰላም ዝሪኡላ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል እዮም፤ ግና ሰላም የለን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="17">“ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብተን ካብ ልበን ፈጢረን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል፤ ኣንፃረን ድማ ተነበየለን።</verse>
				<verse number="18">ንነፍሳት ከፈንጥራ፥ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዝሰፍያን፥ ንዅሉ ዓቢይን ንእሽተይን ርእሲ ድማ፥ መጐልበቢ ዝገብራን ወይለአን! ነፍሳት ህዝበይ እተፈንጥራ፥ ነፍስኻትክንዶ ኽተድሕና ኢኽን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢልካ ንገር።</verse>
				<verse number="19">“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እተፈንጥራለን መኼዳታትክን ተሓንየለን ኣለኹ፤ ካብ ቅልፅምክን ድማ ኽቐደን፥ ነተን ነፍሳት፥ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዘፈንጠርክናለን ነፍሳት ሓራ ኸውፅአን እየ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ መጐልበቢኻትክን ኽቐዶ፥ ንህዝበይ ከዓ ኻብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፤ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኾኑን እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።</verse>
				<verse number="22">“ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ ከንቱ ራእይ ኣይትሪኣን፤ ድሕሪዙይ ከዓ ጥንቈላ ኣይትጥንቁላን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ብዙሓት ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ናባይ መፂኦም፥ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="3">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?”</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ተዛረቦም ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ናብ ነቢይውን እንትመፅእ፥ ኵላቶም ብሰንኪ ጣዖታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፥ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣዖታቱ ኽመልሰሉ እየ፤ ኢልካ ንገሮም።”</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ።</verse>
				<verse number="7">“ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መፃእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፥ ንጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ንኣይ ክጥይቐሉ ኢሉውን ናብ ነቢይ ዝመፅእ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ።</verse>
				<verse number="8">ነዝ ሰብ እዙይ ኣነ ገፀይ ክመልሰሉ፥ ንምልክትን ምሳሌን ከዓ ኽገብሮ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይውን ከፅንቶ እየ፤ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="13">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥</verse>
				<verse number="14">እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">“ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥</verse>
				<verse number="16">እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶምስ ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን፤ እታ ምድሪ ኸዓ ምባደመት።</verse>
				<verse number="17">ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥</verse>
				<verse number="18">እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶም ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።</verse>
				<verse number="19">“ወይ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም እንተ ኣፍሰስኩ፥</verse>
				<verse number="20">ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።”</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥</verse>
				<verse number="22">እንሆ ዘምልጡን፥ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘምፅኡ ተረፍ ክህልውዋ እዮም። እንሆ ኸዓ፥ ንሳቶም ናባኻትኩም ክመፁ እዮም፤ ንመንገዶምን ግብሮምን ድማ ኽትሪኡ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትፀናንዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">መንገዶምን ግብሮምን ምስ ረአኹም፥ ንምፅንናዕኹም ክኾኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ፥ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ?</verse>
				<verse number="3">ብእኡ ስራሕ ክሰርሑ፥ ካብኡዶ ዕንፀይቲ ይወስዱ እዮም? ኣቕሓ ኽሰቕሉሉኸ ፀዋሪትዶ ኻብኡ ይወስዱ እዮም?</verse>
				<verse number="4">እንሆ ምእንቲ ሞዅ ክብል ናብ ሓዊ ይድርበ፥ እቲ ሓዊ ኸዓ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፤ እቲ ማእኸሉውን ይሓርር፤ ንዝኾነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ?</verse>
				<verse number="5">እንሆ፥ ብዳሕናኡ እንተሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፥ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ፥ ከመይ ኢሉ ዝኾነ ስራሕ ክስርሖ ይከአል?”</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር፥ ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፈኽዎ ኦም ወይኒ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ፥ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።</verse>
				<verse number="7">ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኢየሩሳሌም ርኽሰታ ኣፍልጣ፤”</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ።</verse>
				<verse number="4">“በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትብቲ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፤ ምእንቲ ኽትፀርዪውን ብማይ ኣይተሓፀብክን፤ ብጨው ኣይተቐባእኽን፤ ብጨርቂውን ኣይተጠቕለልክን።</verse>
				<verse number="5">በታ ዝተወለድክላ መዓልቲ፥ ነፍስኺ ስለ ዝተንዓቐ፥ ኣብቲ ጋሕ ዝበለ በረኻ ተደርበኺ፤ ሓደ እኳ እዙይ ክገብረልኪ ኢሉ፥ ራህሪሁ ብለውሃት ቈላሕ ዝበለኪ ዓይኒ የለን።</verse>
				<verse number="6">“ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ፤ እወ፥ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ።</verse>
				<verse number="7">ከም በቝሊ ገራሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኹኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፤ ዓበኺ፤ የመና ኸዓ መልካዕኺ፤ ኣጥባት ኣውፃእኺ፤ ፀጕርኺውን በቘለ፤ ግናኸ ንስኽስ ጥራሕኽን ዕርቕትን ነበርኪ።</verse>
				<verse number="8">“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="9">“ብማይ ሓፀብኩኺ፤ ካብ ደምኪ ኣፅረኹኺ፤ ብዘይቲ ድማ ቐባእኩኺ።</verse>
				<verse number="10">ብወርቀ ዘቦ ዝተጠልፈ ኸደንኩኺ፤ ብቘርበት ኣቆስጣ ሳእኒ ገበርኩልኪ፤ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፤ ብሃሪውን ከደንኩኺ።</verse>
				<verse number="11">ሽልማት ሸለምኩኺ፤ ኣብ ቀላፅምኪ ኣምባር፥ ኣብ ክሳድኪ ኸዓ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ።</verse>
				<verse number="12">ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።</verse>
				<verse number="13">በዝ ኸምዙይ ብወርቅን ብሩርን ተሸለምኪ፤ ሻሽን ሃርን መርገፍን ተወንዘፍኪ፤ ፍቱግ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኺ። የመና መልካዕኺ፤ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከዓ በፃሕኺ።</verse>
				<verse number="14">በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">“ንስኺ ግና ብመልክዕኺ ተኣመንኪ፤ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፤ ንዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ንእኡ ኽትኮኒ ምንዝርናኺ ኣብዛሕኺ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፥ ብዝንጕርጕር ክዳን ዘጋየፅክዮም መስገዲታት በረኽቲ ስፍራ ንባዕልኺ ሰራሕኺ፤ ኣብኡውን ኣመንዘርኪ፤ ከምዙይ ዝበለስ ኣይተገብረን፤ ደጊምውን ኣይግበርን እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ፅቡቕ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ኣልዒልኪ፥ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፤ ምስኣቶም ድማ ኣመንዘርኪ።</verse>
				<verse number="18">ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ኸደንክዮም፤ ዘይተይን ዕጣነይን ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረብኪ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኣነ ዝሃብኩኺ እንጀራ፥ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ፍቱግ ሕሩጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን፥ ንመዓዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኣቶም ቀረብክዮ፤ እዙይ ተገይሩ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="20">“ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከዓ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፥ ኣልዒልኪ ሰዋእኽዮም፤ ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፈኽዮምስ እዝ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ?</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ኣብ ኵሉ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን እንተለኺ፥ ነቲ ጥራሕኽን ዕርቕትን ኴንኪ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።”</verse>
				<verse number="23">“ድሕሪ እዝ ኵሉ ኽፍኣትኪ ወይለኺ! ወይለኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="24">ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ ብዅሉ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኺ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ኵሉ ወሰን መንገዲ ልዕል ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፤ ንመልክዕኺ ኣፈንፈንክዮ፤ ንዅሉ ሓላፊ መንገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፤ ምንዝርናኽውን ኣብዛሕኺ።</verse>
				<verse number="26">ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ “እንሆ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኹ፤ ንምግብኺ ኸዓ ኣጕደልክዎ፤ ንፍቓድ እተን ዝፀልኣኺ በቲ ርኹስ መንገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፈኹኺ።</verse>
				<verse number="28">“ኣይፀገብክን እሞ፥ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ፤ ምስኣቶም ድማ ዘሞኺ፤ ኣይፀገብክንውን።</verse>
				<verse number="29">ምስ እዙይ ከዓ፥ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ከነዓን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኺ፤ ግናኸ በዙይውን ኣይፀገብክን።”</verse>
				<verse number="30">ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="31"></verse>
				<verse number="32">“ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ኾንኪ።</verse>
				<verse number="33">ንዅለን ኣመናዝር ውህብቶ ይወሃበን፤ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ውህብቶ ሃብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መፂኦም፥ ምሳኺ ኽዝምዉ ብውህብቶ ሓባበልክዮም።</verse>
				<verse number="34">ንምምንዛር ዝስዕበኪ ዘይብልክስ፥ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ፤ ንስኺ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ውህብቶ ምቕባል ምእንቲ ኸተመንዝሪ ውህብቶ ሃብኪ፤ ካልኦት ዘይገበራኦውን ገበርኪ።”</verse>
				<verse number="35">ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኽዓወ፥ ነውርኺ ኸዓ ስለ ዝተቐልዐ፥ ብሰንኪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣዖታትክን፥ ብሰንኪ እቶም ንኣኣቶም ዝወፈኽዮም ደም ደቅኽን፥</verse>
				<verse number="37">ስለዙይ እንሆ፥ ንዅሎም እቶም ዝፈተኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝፀላእኽዮምን ክእክቦም እየ፤ ካብ ኵሉ ወገን ንምፅራርኪ ኽእክቦም እየ፤ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቐልዖ እየ።</verse>
				<verse number="38">ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ ናይ ቍጥዓን ናይ ቅንኣትን ደም ከምፅአልኪ እየ።</verse>
				<verse number="39">ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኽግልብጡ፥ ክዳውንትኺ ኽገፉ፥ ፅቡቕ ሽልማትኪ ኽቕንጥጡ ጥራሕኽን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም።</verse>
				<verse number="40">“ብዙሓት ሰባት ናባኺ ኸምፅኡ እዮም፤ ንሳቶም ከዓ፥ ብእምኒ ኽቐትሉኺ፥ ብሰይፎም ድማ ኽቘራርፁኺ እዮም።</verse>
				<verse number="41">ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ።</verse>
				<verse number="42">በዝ ኸምዙይ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀልኪ፥ ቅንኣተይ ከዓ ኽርሕቐልኪ እዩ፤ ክሃድእ፥ ብድሕሪዙይውን ኣይቝጣዕን እየ።</verse>
				<verse number="43">ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን እሞ፥ ብዅሉ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣቘጢዕኽኒ ኢኺ እሞ፥ እንሆ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኪ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ከይትውስኽስ መንገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="44">“እንሆ እቶም ዝምስሉ ዅላቶም ‘ከምታ እኖ፥ ከምኡውን እታ ጓላ’ ኢሎም ብኣኺ ኽምስሉ እዮም።</verse>
				<verse number="45">ንስኺ፥ እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝፀልአት ጓል እኖኺ ኢኺ። ንስኺ ሓፍቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝፀልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። እኖኺ ኬጢያዊት ኣቦኺ ኸዓ ኣሞራዊ ነበሩ።</verse>
				<verse number="46">“እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ።</verse>
				<verse number="47">ንስኺ ግና ብመንገደን ኣይከድክን፤ ከምቲ ፅዩፍ ነገረን ከዓ ኣይገበርክን። እዙይ ቀሊሉክስ ብዅሉ መንገድኺ ደኣ ኻብኣተን ገደድኪ።</verse>
				<verse number="48">“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰዶም ሓፍትኺ ንሳን ኣዋልድ ደቃን፥ ከምቲ ንስኽን ኣዋልድ ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን።</verse>
				<verse number="49">እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።</verse>
				<verse number="50">ዕቡያት ነበራ፤ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዘፀይፍ ነገር ገበራ፤ እዙይ ምስ ረአኹ ድማ ኣጥፋእኽወን።</verse>
				<verse number="51">“ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ርኽሰትኪ ኻብኣተን ኣብዛሕኺ፤ ብዅሉ እቲ ዝገበርክዮ ርኽሰትክውን ነሓትኪ ኣፅደቕክየን።</verse>
				<verse number="52">ንስኺ ኸዓ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሸከሚ፤ በቲ ኻብኣተን ዝረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ፥ ንሳተን ካባኺ ይፀድቃ፤ ነሓትኪ ኣፅዲቕክየን ኢኺ እሞ፥ ሕፈሪ ነውርኺውን ፁሪ።”</verse>
				<verse number="53">“ነውርኺ ኽትፆሪ፥ በቲ ዅሉ ዝገበርክዮ ኸዓ ኽትሓፍሪ፥ በዝ ኸምዙይ ድማ ኽተፀናንዕየንስ ምርኮኣተን፥ ምርኮ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ እቶም ኣብ ማእኸለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።</verse>
				<verse number="54"></verse>
				<verse number="55">ኣሕዋትኪ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፤ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን።</verse>
				<verse number="56">ከምቲ ብኣዋልድ ደቂ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፥ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኪ ዝነበራ ኣዋልድ ደቂ ፍልስጥኤማውያንን፥ እተፀረፍክሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ ኸይተቐልዐ እንተሎ፥ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓፍትኺ ሰዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተጠቐሰትን።</verse>
				<verse number="57"></verse>
				<verse number="58">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዓቕኪ ኢኺ፤ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፤ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምንዝርናኽን ርኽሰትክን ትፆሪ ኣለኺ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="59"></verse>
				<verse number="60">“ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ።</verse>
				<verse number="61">ነተን ካባኺ ዝዓብያን ዝንእሳን ኣሕዋትኪ ኽትቅበልየን እንተለኺ ብኺዳንኪ ዘይኮነስ፥ ኣዋልድኪ ክኾና ኽህበኪ እንተለኹ፥ ሽዑ መንገድኺ ኽትዝክርን ክትሓፍርን ኢኺ።</verse>
				<verse number="62">ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፥ ካብ ምሕናኽ እተልዓለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍቲ፥ ኪዳነይ ከፅንዐልኪ እየ፤ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="63"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፤ ምስላውን መስለሎም።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ርእሲ ጨንፈር ሰልዖ፤ ናብ ምድሪ ከነዓንውን ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="5">ካብታ ምድሪ ድማ ፈልሲ ወሰደ፤ ኣብ ፍርያም ግራት ከዓ ተኸላ፤ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ኸም ኲሓ ገይሩ ስፍራ ኣትሓዛ።</verse>
				<verse number="6">ንሳ ዓበየት፤ ጨናፍራ ናብኡ ሱራ ኸዓ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፥ ሓፂር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ኾነት፤ በዝ ኸምዙይ ጨንፈር እትጭንፍርን ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ኾነት።</verse>
				<verse number="7">“ገዚፍ ዝኽንፉ፥ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ ነበረ፤ እንሆ ኸዓ፥ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፥ ንሱ ማይ ከስትያ ኢላ፥ ካብቲ እተተኸለቶ ቦታ፥ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሐት፤ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣስፍሐት።</verse>
				<verse number="8">ጨናፍር ምእንቲ ኽተውፅእ፥ ፍረ ኽተፍሪ፥ ክብርቲ ኦም ወይኒ እውን ክትከውንስ፥ ኣብ ፅቡቕ ግራት፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።”</verse>
				<verse number="9">በለ ድማ፥ “ክተልምዕዶ እያ? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ምእንቲ ኽትነቅፅስ ሱራዶ ኣይንቀልን? ፍሪኣኸ ኣይቝረፅን ድዩ? እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘፅልኸ ኣይነቅፅን ድዩ? ሱራ ንምብቋስ፥ ሓያል ቅልፅምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ምትካልስ ተተኺላ ኣላ፤ እሞ ኽትለምዕ ድያ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ነኽኣኸ፥ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይትነቅፅን እያ? ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅፅ እያ።”</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="12">“እምበኣርከስ ነዝ ዓማፂ ቤት እዙይ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ንገሮም ድማ፥ “እንሆ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ንንጉሳን መሳፍንታን ማሪኹ፥ ናብኡ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።</verse>
				<verse number="13">እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ?</verse>
				<verse number="16">“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ።</verse>
				<verse number="17">ብዙሕ ሰብ ክቐትሉ ኢሎም፥ ዕርዲ ኽዕርዱን ግንቢ ኽሰርሑን እንተለዉ ፈርዖን ከዓ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኮይኑ፥ ኣብ ውግእ ኣይረድኦን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፥ ኢድ ጠቒዑ እዝ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፥ ኣየምልጥን እዩ።”</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ “ኣነ ህያው እየ፤ እቲ ዝነዓቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን፥ ብርግፅ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="20">“መርበበይ ክዝርግሐሉ እየ፤ ብመፈንጠረይ ከዓ ኽተሓዝ እዩ፤ ናብ ባቢሎን ድማ ኽወስዶ፥ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመፀሉ ዓመፃ ኽፋረዶ እየ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዝሃድሙ ዅሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም” ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝተዛረብኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ።</verse>
				<verse number="23">ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን።</verse>
				<verse number="24">ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ዘቢብ በልዑ እሞ፥ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ’ ኢልኩም እትምስሉ?</verse>
				<verse number="3">“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ እዝ ምስላ እዙይ ድሕሪዙይ ኣብ እስራኤል ኣይትምስልዎን ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።</verse>
				<verse number="5">“ፃድቕ ሰብ እንተ ሃለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥</verse>
				<verse number="6">ኣብ እምባታት እንተ ዘይበልዐ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ እንተ ዘይበላ፥ ሰበይቲ ብፃዩ እንተ ዘየርከሰ፥ ብጊዜ ፅጊኣ ኸዓ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ፥</verse>
				<verse number="7">ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥</verse>
				<verse number="8">እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥</verse>
				<verse number="9">ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="10">“ግናኸ ንሱ፥ ዓማፂ፥ ደም ዘፍስስ፥ ካብዝ ነገር እዙይ ከዓ ዝኾነ ኻልእ ዝገብር ውሉድ እንተ ወለደ፥ ፃድቕ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ዘይገብር፥ ኣብ እምባታት ዝበልዕ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘርክስ፥</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥</verse>
				<verse number="13">ዘኻዕብትን ዘህርፅን ንሱዶ ብህይወት ክነብር እዩ? ንሱ ኣይነብርን፤ እዝ ዅሉ ፅዩፍ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ሞት ክመውት፥ ደሙ ኸዓ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="14">“እንሆ ኸዓ፥ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ሪኡ ዝፈርሕን፥ ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፥</verse>
				<verse number="15">ኣብ እምባታት ዘይበልዕ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ ዘየብል፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘየርክስ፥</verse>
				<verse number="16">ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፥ ትሕጃ ዘይሕዝ፥ መንዚዑ ዘይወስድ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ ዘብልዕ፥ ንዕሩቕውን ክዳን ዝኸድን፥</verse>
				<verse number="17">ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፥ ሃረፃን ወለድን ዘይወስድ፥ ፍርደይ ዝገብር፥ ብሕገይ ዝመላለስ፥ ንሱ ብህይወት ይነብር እምበር፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦኡ ኣይመውትን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣቦኡ ዓመፀኛ ስለ ዝነበረ፥ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፥ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኸዓ ሰናይ ዘይኮነ ስለ ዝገበረ፥ እንሆ ብበደሉ ኽመውት እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="20">እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።</verse>
				<verse number="21">“ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ካብቲ ዝበደሎ በደልስ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከረሉን፤ በቲ ዝገበሮ ፅድቂ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="23">ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="24">“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="25">“ንስኻትኩም ግና፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ኣቱም ቤት እስራኤል እስኪ ስምዑ፤ መንገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="26">ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ በደል እዩ ዝመውት።</verse>
				<verse number="27">ግናኸ እቲ ሓጥእ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ በደል ኣስተንቲኑ ስለ ዝተመለሰ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን።</verse>
				<verse number="29">ግናኸ ቤት እስራኤል፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፥ ይብሉ ኣለዉ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ብሓቂዶ መንገደይ እዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?”</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="31">ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ?</verse>
				<verse number="32">ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ንስኻ ኸዓ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፤ በል ድማ፦</verse>
				<verse number="2">እኖኻ እንታይ ነበረት? ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት፤ ኣብ ማእኸል ኣናብስውን ተጋደመት፤ ኣብ ማእኸል ሽደናት ኣናብስ ንዀራዅራ ኣዕበየቶም።</verse>
				<verse number="3">ንሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።</verse>
				<verse number="4">ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፤ ኣብ ጕድጓዶም ከዓ ተትሓዘ፤ ብሰንሰለት ገይሮም ናብ ሃገር ግብፂ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="5">ትፅቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረአየት፥ ተስፋ ኸዓ ምስ ቀበፀት፥ ካብ ኰራዅራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፥ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእኸል ኣናብስ ተመላለሰ፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።</verse>
				<verse number="7">ንኣዳራሻቶም ኣፍረሰ፤ ንከተማታቶም ኣዕነወ፤ ኢር ኢሉ ምስ ጓዘመ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኻብቲ ኣብ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ኣህዛብ ተኣከቡ፤ መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ።</verse>
				<verse number="9">ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብ ቆፎ ኣእተውዎ፤ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ፤ ድምፁ ኣብ እምባታት እስራኤል ድሕሪዙይ ከይስማዕ፥ ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="10">እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤ ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።</verse>
				<verse number="11">ንበትሪ መንግስቲ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውፅአት፤ ጕንዳ ኣብ ማእኸል ፅቡቕ ኣቝፅልቲ ነውሐ፤ ነዋሕን ሃረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፥ እትረአ ኾነት።</verse>
				<verse number="12">ግናኸ ብቝጥዓ ተበቈሰት፤ ኣብ ምድሪ ኸዓ ተደርበየት፤ ንፋስ ምብራቕ ድማ ንፍሪኣ ኣንቀፆ፤ ድልዱል ጨናፍራ ተሰባቢሩ ነቐፀ፤ ሓዊውን በልዖ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ጨናፍር ሓረጋ፥ ሓዊ ወፀ፤ ንፍሪኣ ኸዓ ሞዅ ኣበሎ፤ ዘንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ኮነ ኸዓ፥ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት፥ ኣብቲ ሓምሻይ ወርሒ፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ብዙሓት ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቑ መፂኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="3">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ‘ክትጥይቑኒዶ መፂእኹም?’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ህያው እየ፥ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="4">“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም።</verse>
				<verse number="5">በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸዓ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ርኽሰት ዓይኑ ይደርቢ፤ ብጣዖታት ግብፂ ድማ ኣይትርከሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ በልክዎም።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ።</verse>
				<verse number="9">ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ።</verse>
				<verse number="10">“ካብ ሃገር ግብፂ ኸዓ ኣውፃእኽዎም፤ ናብ በረኻውን ኣምፃእኽዎም።</verse>
				<verse number="11">ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="13">ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።</verse>
				<verse number="14">ግናኸ ምእንቲ ስመይ፥ ካብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎ ህዝብታት፥ ስመይ ከይረክስ ኢለ፥ ስለ ስመይ እየ ዝገበርክዎ።</verse>
				<verse number="15">ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">ግናኸ ዓይነይ ራህርሀትሎም እምበር ኣየጥፋእኽዎምን፤ ኣብቲ በረኻውን ፈፂመ ኣይወዳእኽዎምን።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ፤ ስርዓተይ ከዓ ሓልዉ፤ ግበርዎውን።</verse>
				<verse number="20">ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን።</verse>
				<verse number="21">“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፤ ምእንቲ ስመይ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎም ኣህዛብ፥ ስመይ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።</verse>
				<verse number="23">ሕግጋተይ ኣበዩ፤ ንሰናብተይ ኣርከሱ፤ ኣዒንቶም ንጣዖታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር ስርዓተይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ናብ ሃገራት ክብትኖም እየ፥ ኢለ ኣብቲ ምድረ በዳ መሓልኩ።</verse>
				<verse number="24"></verse>
				<verse number="25">“ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="26">ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ከባድሞም ኢለ በቲ ዅሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ፥ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎ።”</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ በዙይ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ፀረፉኒ።</verse>
				<verse number="28">ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።</verse>
				<verse number="29">ኣነ ኸዓ ‘እዝ ናብኡ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ እዩ?’ በልክዎም። በዝ ኸምዙይ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ‘ባማ’ ይብልዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ ንስኻትኩም ከም መንገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፤ ነቲ ዘፀይፍ ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም።</verse>
				<verse number="31">መባእኹም ክተቕርቡ፥ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኽተሕልፉ እንተለኹም፥ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣዖታትኩም ትረኽሱ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክጥየቕ እየ? ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ።</verse>
				<verse number="32">ንሕና ኸምቶም ኣህዛብን ዓሌታት ሃገራትን፥ ንዕንፀይትን እምንን ከነምልኽ ኢና፥ ዝብል ሓሳብ ልብኹም ኣይፍፀመልኩምን።”</verse>
				<verse number="33">“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን ርግፅ ክነግሰኩም እየ።</verse>
				<verse number="34">ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።</verse>
				<verse number="35">ናብ ምድረ በዳ ኣህዛብ ከዓ ኽወስደኩም፥ ኣብኡውን ገፅ ንገፅ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ።</verse>
				<verse number="36">ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ግብፂ እተፋረድኩ፥ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="37">“ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፥ ናብ መእሰሪ ኪዳን ከዓ ኸእትወኩም እየ።</verse>
				<verse number="38">ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="39">ኣቱም ቤት እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስማዕ ካብ ኣበኹምንስ፥ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣዖታትኩም ኣምልኹ፤ ድሕሪዙይ ግና ንቕዱስ ስመይ ብመባእኹምን ብጣዖታትኩምን ኣይተርክስዎን ኢኹም።</verse>
				<verse number="40">ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ኵሎም ቤት እስራኤል፥ ኣብታ ምድሪ ኸምልኹኒ እዮም፤ ኣብኡ ተሓጕሰ ኽቕበሎም እየ፤ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዅሪ እቶት መባእኹምን ምስ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="41">ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።</verse>
				<verse number="42">ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="43">ኣብኡ ኸዓ ንመንገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፤ በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ንርእስኹም እትፅየፉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="44">ኣቱም ቤት እስራኤል ከምቲ ክፉእ መንገድኹምን፥ ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="45">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="46">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፥ ናብ ደቡብ ከዓ ቓልካ ኣንጠብጥብ፤ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር በረኻ ድማ ተነበየሉ።</verse>
				<verse number="47">ነቲ ዱር ደቡብ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽእጕድ እየ። ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን፥ ንዅሉ ንቑፃት ኣእዋምን ሞዅ ኸብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይጠፍእን፤ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከዓ፥ ኵሉ ገፅ ብእኡ ኽነድድ እዩ።</verse>
				<verse number="48">ኵሉ ስጋውን እቲ ዝኣጐዶስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽርኢ እዩ።”</verse>
				<verse number="49">ሽዑ ኣነ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ወዮ! ‘ንሳቶም ብዛዕባይ፥ ምስላታት እዩ ዝምስል’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፤ ቃልካ ኸዓ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ተናገር፤ ንምድሪ እስራኤል ከዓ ኣንፃራ ተነበየላ።</verse>
				<verse number="3">ነታ ሃገር እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ እኒሀኹ ኣንፃርኪ እየ፤ ሰይፈይ ከዓ ኻብ ሰገባኡ ኽመዞ፥ ካባኺውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ከጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንፃድቃንን ሓጥኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ስለዙይ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ፥ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን፥ ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምዘዝ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ስጋ ዝለበሱ ዅሎም ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣይምለስን ድማ እዩ።”</verse>
				<verse number="6">“ስለዙይ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቈዝም፤ ሕቘኻ ብምጕባጥ ኣምሪርካ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብኸ።</verse>
				<verse number="7">ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="9">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰይፊ! ሰይፊ! በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፤” በል።</verse>
				<verse number="10">“ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፥ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ፤ እምበኣርከስ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና? በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕፃው ትንዕቐን ኣላ።</verse>
				<verse number="11">ብኢድ ምእንቲ ኽተሓዝ ክውልወል ሃቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽውፈ ተስሓለን ተወልወለን።</verse>
				<verse number="12">ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ።</verse>
				<verse number="13">ፈተና መፀ፤ እታ ዝተንዓቐት በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ እንታይ ደኣ እዩ?” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="14">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በእዳውካ ኸዓ ኣጣቕዕ፤ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይደጋግም፤ ዝኸቦም ናይቲ ዝተቐትለ ዓብዪ ሰብ ሰይፊ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">ተዳሊኻ፥ ገፅካ ናብ ዝፈተዎ ንየማን ወይ ንፀጋም ኪድ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፥ ሕነ መዓተይውን ከምፅእ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="18">መሊሱውን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="19">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዝሓልፈለን ክልተ መንገዲ ንኣኻ ግበር፤ ክልቲአን ካብ ሓደ ምድሪ ይውፅኣ፤ ምልክት ከዓ ግበር፤ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መንገዲ ግበሮ።</verse>
				<verse number="20">ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፥ ኣብታ ቐራና መንገዲ ኣብ ርእሲ ኽልቲአን መንገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ፍላፃታት የንበጥብጥ፤ ንጣዖታት ቤቱ ይጥይቕ፤ ንኸብዲውን ይጥምት ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">ኣብኡ መፍረሲ ዕርዲ ኽተክል፥ ንፈኸራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፥ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፥ ኣብ መንፅር ደገታት ከዓ መፍረሲ ዕርዲ ኸቕውም፥ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕ፥ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕፃ ነበረት።</verse>
				<verse number="23">ማሕላ ምሒሎም እናሃለዉስ፥ እዝ ጥንቈላ እዙይ ሓሰት ኮይኑ ኽረኣዮም እዩ፤ ንሱ ግና ምእንቲ ኽትሓዙ ሓጢኣቶም ከዘክር እዩ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ገበንኩም ተቐሊዑ፥ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፥ ሓጢኣቱ ስለ ዘዘከረኩም ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብሓያል ኢድ ክትተሓዙ ኢኹም” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="25">“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዘውዲ ቐንጥጥ፤ ኣኽሊል ኣውፅእ፤ እዙይ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣይነብርን እዩ፤ እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፤ እቲ ልዕል ዝበለ ኸዓ ይዋረድ።</verse>
				<verse number="27">ጥፍኣት! ጥፍኣት! ጥፍኣት ካባይ ክመፃ እዩ፤ እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመፅእ እዙይ ኣይነብርን እዩ።”</verse>
				<verse number="28">ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="29"></verse>
				<verse number="30">“ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፤ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ ኣብታ እተወለድካላ ምድሪ ኽፈርደካ እየ።</verse>
				<verse number="31">ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።</verse>
				<verse number="32">ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፤ ደምካ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኽፈስስ እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ ዝዝክረካ የለን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎውን በል፤ ጊዜኺ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኣብ ማእኸላ ደም እተፍስሲ፥ ንርእስኺ ኽተርክሲ ኸዓ ጣዖታት እትገብሪ ኸተማ፥</verse>
				<verse number="4">በቲ ዘፍሰስክዮ ደም በደልኪ፤ በቲ ዝገበርክዮ ጣዖታት ድማ ረኸስኪ፤ መዓልቲታትኪ ኣቕረብኪ፤ ዓመታትኪውን ኣሕፀርኪ፤ ስለዙይ ንኣህዛብ መፃረፊ፥ ንዅሉ ሃገራት ከዓ መላገፂ ገበርኩኺ።</verse>
				<verse number="5">ኣቲ ርኹስ ዝወረኺ ዕግርግር ዝመልአኪ፥ ዝቐረቡኽን ዝረሓቑኽን ከላግፁልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="6">እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዓቕኪ፤ ንሰናብተይ ኣርከስኪ።</verse>
				<verse number="9">ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።</verse>
				<verse number="10">ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ቐልዑ፤ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም ፅገኣ ኣዋረዱ።</verse>
				<verse number="11">ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ርኽሰት ገበረ፤ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፤ ሓደ ኻሊእውን ኣባኺ ንሓፍቱ፥ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ።</verse>
				<verse number="12">ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="13">“እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ።</verse>
				<verse number="14">በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ፥ ልብኽዶ ኽቐውም እዩ? ወይ ኣእዳውኪ ኽፀንዓ ድየን? ኣነ እግዚኣብሄር እየ፥ ዝተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብለኪ፥ ናብ ሃገራት ከዓ ኽብትነኪ፥ ንርኽሰትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="16">ብሰንኪ ርእስኺ ኣብ ቕድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጢ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="18">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ቤት እስራኤል ሓተላ ኾኑኒ፤ ኣብ ማእኸል እቶን ከዓ፥ ኵላቶም ነሃስን ቈርቆሮን ሓፂንን ዓረርን እዮም፤ ሓተላ ብሩርውን ኮኑ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵልኻትኩም ሓተላ ኢኹም እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ ኽመክኽ ኢሎም፥ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ ንብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ቈርቆሮን፥ ኣብ ማእኸል እቶን ዝእክብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ብቝጥዓይን ብመዓተይን ክእክበኩምን፥ ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።</verse>
				<verse number="21">ክእክበኩም፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኽነፍሐልኩም እየ፤ ኣብ ማእኸላውን ክትመኩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ብሩር ኣብ ማእኸል እቶን ዝመክኽ፥ ከምኡ ኣብ ማእኸላ ኽትመኩ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="23">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="24">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣ፥ ንስኺ ዘይፀረኺ፥ ብመዓልቲ ቝጥዓውን ዝናም ዘይዘነመኪ ምድሪ ኢኺ ኢልካ ንገራ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነቢያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፤ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዝጓዝም ኣንበሳ፥ ነፍሳት ወሓጡ፤ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፤ ኣብ ማእኸላውን መበለታት ኣብዝሑ።</verse>
				<verse number="26">ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ።</verse>
				<verse number="27">ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ነቢያታ ከንቱነት እናረአዩ፥ ሓሰት እናጠንቈሉሎም እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ እናበሉ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ለቕለቑሎም።</verse>
				<verse number="29">እቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፀ፤ ከተረ፤ ንሽጉርን ንድኻን ገፍዖ፤ ንመፃእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቖ።</verse>
				<verse number="30">ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ኽልተ ኣንስቲ ነበራ።</verse>
				<verse number="3">እዚኣተን ኣብ ግብፂ ኣመንዘራ። ገና ኣጓላት እንተለዋ ኣመንዘራ ኣጥባተን ዘቐቐ፤ ኣጥባት ድንግልናአን ኣብኡ ተዳህሰሰ።</verse>
				<verse number="4">ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ።</verse>
				<verse number="5">ኦሆላ ኸዓ ናተይ እንተላስ ዘመወት፤ ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ኾነ።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸደኑ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣጓብዝ፥ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከዓ ኣመንዘረት፤ ፍትወት ኣብ ዝተልዓላ ድማ፥ ምስ ኵሎም ጣዖታቶም ረኸሰት።</verse>
				<verse number="8">ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፥ ብፍትወት ምስኣቶም ነዲዳ ዝነበረት፥ ናብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር ሃብክዋ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ከዓ ዕርቃና ቐልዑ፤ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፤ ንኣኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈሪዱ እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ኣንስቲ መመሰሊት ኮነት።</verse>
				<verse number="11">“ኦሆሊባ ሓፍታ ኸዓ እዙይ ረአየት፤ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፤ ምንዝርናኣ ድማ ኻብ ምንዝርና ሓፍታ በዝሐ።</verse>
				<verse number="12">ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር ኣሕሉቕን ሹመኛታትን፥ ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸደኑ፥ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ኵሎም መልክዐኛታት ኣጓብዝ ብፍትወት ነደደት።</verse>
				<verse number="13">ንሳውን ከም ዝረኸሰት ረአኹ፤ ክልቲአንውን ሓደ መንገዲ ኸዳ።”</verse>
				<verse number="14">ንሳ ግና “ብምንዝርናኣ ሕልፍ በለት፤ ኣብ መንደቕ ከዓ ስእሊ ሰብኡት ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተስኢሉ፥ ቅናት ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፥ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸዓ ኣብ ርእሶም ገይሮም፥ ኵላቶም መኳንንቲ ኣብታ እተወለዱላ ሃገር ከለዳውያን፥ ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረአየት።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣብኣቶም ብፍትወት ነደደት፤ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም።</verse>
				<verse number="17">ደቂ ባቢሎን ከዓ ናብኣ መፂኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፤ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ፤ ብኣኣቶም ምስ ረኸሰት፥ ነፍሳ ኻብኣቶም ኣግለሰት።</verse>
				<verse number="18">ዝሙታ ምስ ገለፀት፥ ዕርቃና ምስ ቀልዐት፥ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓፍታ ዘግለሰት፥ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት።</verse>
				<verse number="19">ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘመንዘረቶ ዘኪራ፥ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት።</verse>
				<verse number="20">ከም ናይ ኣድጊ ስጋ ዝስጋኦም፥ ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዘርኦም ብኣኣቶም ብፍትወት ነደደት።</verse>
				<verse number="21">ከምኡ እቶም ግብፃውያን፥ ኣጥባት ጐርዞነት እንተለኪ ዝዳህሰሱኺ፥ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።”</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ “ኣቲ ኦሆሊባ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ፥ ከተስአልኪ እየ፤ ክፃረሩኺ ኸዓ ኻብ ኵሉ ወገን ከምፅኦም እየ።</verse>
				<verse number="23">ንዅሎም ባቢሎናውያንን፥ ከለዳውያንን ፋቁፅን ሲሔ ቆዓን፥ ምስኣቶም ከዓ ዅሎም ኣሶራውያንን፥ መልክዐኛታት ኣጓብዝ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ኣሕሉቕን ውሩያትን፥</verse>
				<verse number="24">ንሳቶም ኣፅዋርን ሰረገላታትን መንኰራኵርን ሒዞም፥ ምስ ብዙሕ ጉባኤ ኣህዛብ ክፃረሩኺ ኽመፁ እዮም፤ ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም፥ ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ፍርዲ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመዓት ክወቕዑኺ እዮም፤ ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርፁ እዮም፤ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፥ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ።</verse>
				<verse number="26">ክዳውንትኺ ኽቕንጥጡኺ፥ ክቡር ሽልማትኪ ኽወስዱልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ኣዒንትኺ ናብኣቶም ቈላሕ ከይተብሊን ድሕሪዙይ ከዓ ግብፂ ኸይትዝክሪን፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።”</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትፀልእዮም ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፥</verse>
				<verse number="29">ብፅልኢ ኽካየዱኺ፥ ኵሉ ፃማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፥ ዕርቕትን ንበይንኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም፤ ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለፅ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ምስ ኣህዛብ ስለ ዝመንዘርኪ፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዝረኸስኪ፥ እዝ ነገር እዙይ ክወርደኪ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ብመንገዲ ሓፍትኺ ኸድኪ፤ ስለዙይ ከዓ ኣነ ነታ ፅዋዕ፥ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።”</verse>
				<verse number="32">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝኾነት ፅዋዕ ሓፍትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ፤ ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ፥ መስሓቕን መላገፅን ክትኮኒ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="33">“እታ ፅዋዕ ሓፍትኺ ሰማርያ፥ ፅዋዕ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፥ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ።</verse>
				<verse number="34">ኣነ እየ እተዛረብኩ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፥ ክትሰትዪያን ክትጭልጥያን፥ ገልዑ ኸዓ ኽትነኽስን፥ ኣፍ ልብኺ ድማ ኽትስንጥቕን ኢኺ።”</verse>
				<verse number="35">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።”</verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር ከዓ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ? እምበኣር በደለን ንገረን።</verse>
				<verse number="37">ዘምየን እየን እሞ፥ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፤ ምስ ጣዖታተን ዘምየን፥ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፥ ሓዊ ኽበልዖም ብእኡ ኣሕለፋኦም።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ርእሲኡውን እዙይ ገበራኒ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርከሳ፤ ሰናብተይ ከዓ ሰዓራ።</verse>
				<verse number="39">ንደቀን ንጣዖታተን ምስ ሓረዳኦም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸርክሳኣ ናብ መቕደሰይ መፃ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ማእኸል ቤተይ ከምዙይ ገበራ።”</verse>
				<verse number="40">ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ “ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ ሰብኡት ለኣኻሎም፤ ልኡኽ ተልኣኮም፤ እንሆውን መፁ፤ ንስኺውን ተሓፀብክሎም፤ ኣዒንትኺ ተዅሓልክሎም፤ ብሽልማትውን ተሸለምክሎም።</verse>
				<verse number="41">ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።</verse>
				<verse number="42">ኣብኣ ድምፂ ሕጉሳት ሰባት ነበረ፤ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፥ ሰካራማት ካብ ምድረ በዳ መፁ፤ ንሳቶም ከዓ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፥ ዕፁብ ዘውዲውን ኣብ ኣራእሰን ገበሩ።</verse>
				<verse number="43">ሽዑ ኣነ ‘ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝአረገት ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ’ በልኩ።</verse>
				<verse number="44">ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ ናብኣ ኣተዉ፤ ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ።</verse>
				<verse number="45">ፃድቃን ሰባት ከዓ፥ ዘመውቲ ስለ ዝኾና፥ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፥ ከምቲ ንዘመውቲ፥ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዝፍረደን ገይሮም ክፈርድወን እዮም።”</verse>
				<verse number="46">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።</verse>
				<verse number="47">ጉባኤ ኸዓ ብእምኒ ወቒዖም ክቐትልወን፥ በስይፍቶም ክቘራርፅወን፥ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፥ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም።</verse>
				<verse number="48">ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ ምእንቲ ኽመዓዳስ፥ ንምንዝርና ኻብታ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="49">ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ከንብሩልክን እዮም፤ ሓጢኣት ጣዖታትክን ድማ ኽትፆራ ኢኽን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጣ ኢኽን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ፀሓፍ፤ ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም ቀረበ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ከዳዕ ቤት፥ ምስላ ንገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ።</verse>
				<verse number="4">ምታሩ ዅሉ ፅቡቕ ምታር ዘበለ እግርን ክሳድን ናብኡ ኣክቦ፤ በቲ ሕሩይ ዓፅሚውን ምልኣዮ።</verse>
				<verse number="5">ካብቲ መጓሰ ኸዓ ዝተመረፀ ውሰድ፤ ነቲ ዓፅሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕፅምቲ ምእንቲ ኽበስል ኣፀቢቕካ ኣፍልሓዮ።”</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን።</verse>
				<verse number="7">ደማ ኣብ ማእኸላ እዩ እሞ፥ ኣብቲ ልሙፅ ኰዅሒ ሓደገቶ፤ ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን።</verse>
				<verse number="8">ንምልዕዓል ቍጥዓን ንምፍዳይ ሕነን፥ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይኽወል ኣብ ልሙፅ ኰዅሒ ኣፍሰስክዎ።”</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነውን ብርቱዕ መጋርያ ኽእጕድ እየ እሞ፥ ነታ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ!</verse>
				<verse number="10">ኣዕፃው ኰምር፤ ሓዊ ኣጕድ፤ ነቲ ስጋ ኣፀቢቕካ ኣብስሎ፤ ነቲ መረቕ ኣፍልሓዮ፤ ነቲ ኣዕፅምቲ ኸዓ ኣቃፅሎ።</verse>
				<verse number="11">ምእንቲ ኽውዕን፥ እቲ ነሃስ ድማ ኽረስንን፥ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝዕገት ክመክኽን እቲ ምምራቱ ኸዓ ኽጠፍእንስ፥ ጥራሑ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።</verse>
				<verse number="12">ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="16">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ድልየት ኣዒንትኻ ብመቕሰፍቲ ኽምንጥለልካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፤ ኣይትብከ፤ ኣይትንባዕውን።</verse>
				<verse number="17">ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”</verse>
				<verse number="18">ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፤ ንምሽቱ ኸዓ ሰበይተይ ሞተት፤ ንፅባሒቱ ድማ ኸምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ህዝቢ እውን “እቲ እትገብሮ ዘለኻስ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ነኣና ኣይትገልፀልናን ኢኻ?” በለኒ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ ኢለ መለስኩሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ‘እንሆ እታ ሓበን ሓይልኹም፥ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፥ እታ ናፍቖት ነፍስኹም ቤተ መቕደሰይ ከርክሳ እየ፤ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ንስኻትኩም ከዓ ኸምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም፤ ከናፍርኩም ኣይትኸድኑን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትበልዑን።</verse>
				<verse number="23">መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="24">ሕዝቅኤል ከዓ ኣርኣያ ክኾነልኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም’ እዙይ ምስ መፀ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="25">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ በታ ንሓይሎም ንሓጐስ ክብረቶም ንተድላ ኣዒንቶም ንናፍቖት ልቦምን ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ካብኣቶም ዝወስደላ መዓልቲ፥</verse>
				<verse number="26">በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ፥ ኣብ እዝንኻ ኸስምዐካ ኽመፀካ እዩ።</verse>
				<verse number="27">በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መፀ፥ ኣፍካ ክኽፈት እዩ፤ ክትዛረብ፥ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይትኸውንን ኢኻ፤ ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኮኖም ኢኻ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።</verse>
				<verse number="3">ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ እንሆ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፥ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፥ ኣብ ማእኸልካውን ሰፈሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ፤ ንሳቶም ፍረኻ ኽበልዑ፥ ፀባኻውን ክሰትዩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፥ ንደቂ ኣሞን ከዓ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሞኣብን ሰዒርን እንሆ ቤት ይሁዳስ፥ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፥ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ደቂ ኣሞን ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፥ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ኣሞን ዝመፁ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኤዶም ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፥ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፥</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ በቲ ናይ ጥንቲ ፅልኦም ከጥፍኡ ኢሎምስ፥ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፥</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="17">ብመዓት ቍጥዓ ኸዓ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ሕነይ ምስ ፈደኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ኮነ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥</verse>
				<verse number="3">“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ጢሮስ ኣንፃርኪ እየ፤ ከምቲ ንባሕሪ ማዕበል ዘልዕለሉ፥ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተስአልኪ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንቕፅርታት ጢሮስ ከጥፍእዎ፥ ንግምብታታ ኸዓ ኸፍርስዎ፥ ሓመዳ ኽፀርገላ፥ ልምፅምፅ ዝብል ኰዅሒ ኽገብራ እየ።</verse>
				<verse number="5">ንሳ ኣብ ማእኸል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ፤ ኣነ ተዛሪበ እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ንህዝብታት ብዝበዛ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="6">እተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልዳ ኸዓ፥ ብሰይፊ ኽቕተላ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን፥ ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን፥ ብዙሕ ህዝብን፥ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምፅኦ እየ።</verse>
				<verse number="8">ነተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልድ ደቅኺ፥ ብሰይፊ ኽቐትለን ዕርዲ ኽዕርደልኪ፥ ሓመድ ክዅምረልኪ፥ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቅፅርኺ ኣቢሉ ኽተኽሎ እዩ፤ ብመሳርሒኡ ኸዓ ንግንብታትኪ ኸፍርሶ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኽረግፆ፥ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኽቐትሎም፥ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ፥ ኣብ ምድሪ ፃሕ ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንመዛግባትኺ ኽብዝብዙ፥ ነቓሑ ንግድኪ ኽዘምቱ፥ ንመናድቕኪ ኸፍርሱ፥ ነቲ ብሉፅ ኣባይትኺ ኸፍርሱ፥ ነእማንክን ኣዕፃውክን ሓመድክን፥ ኣብ ማእኸል ማይ ክድርብዩዎ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ልሙፅ ኰዅሒ ኽገብረኪ እየ፤ መስጥሒ መርበብ ክትኮኒ ኢኺ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብኩ እሞ፥ ከም ብሓድሽ ኣይትስርሕን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ “ብሕማም ምውዳቕኪ፥ እቶም ውፁዓት ውጉኣት ክቕንዘዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸልኪ ክቕተሉ እንተለዉ፥ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይሕዘንን እዩ?</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">“ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፥ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፥ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዝነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ፥ ንዅሉ ሰብ መፍርሒት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፥ ከመይ ኢልኪ ኾን ጠፋእኪ? ‘ሕዚ እተን ደሴታት፥ በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኸንቀጥቅጣ፥ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ ብመወዳእታኺ ኽስምብዳ እየን’ ኢሎም መልቀስ ከልቅሱልኪ እዮም።”</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ኣምላኽስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፥ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፥ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፥</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="21">መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፥ ኣይትህልውን ኢኺ፤ ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፥ ከቶ ንዘለኣለም ኣይትርከብን ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ።</verse>
				<verse number="3">ንጢሮስ በላ፤ ‘ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፥ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ኣህዛብ ከዓ እትነግዲ፥’ ኸምዙይ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፦ ‘ኣቲ ጢሮስ ባዕልኺ ብመልክዕ፥ ፍፅምቲ ኣነ እየ በልኪ።’</verse>
				<verse number="4">ወሰንኪ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እዩ፤ እቶም ሃነፅትኺ ነቲ መልክዕኺ ፈፀምዎ።</verse>
				<verse number="5">ንጎቦታትኪ ብፅሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፤ ደቐል መራኽብ ክገብሩልኪ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ።</verse>
				<verse number="6">መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፤ ኮፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሸሊሞም በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመፀ ኣእዋም ገበሩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ኣቲ ጢሮስ፥ እቶም ዝቐዝፉልኪ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፤ እቶም ኣባኪ ዘለዉ ጠቢባንኪ፥ መራሕቲ መራኽብኪ ኾኑ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ሽማግለታት ጌባልን እቶም ጠቢባንን፥ ነቲ እተሰብረ ዘዐርዩ ኣብ ማእኸልኪ ነበሩ፤ ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን ንግዶም ክለዋወጡኺ ኣባኺ ነበሩ።”</verse>
				<verse number="10">“ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ፤ ዋላቱን ቍራዕ ርእስንውን ሰቐሉልኪ፤ ንሳቶም ገይፂ ሃቡኺ።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቕፅርኺ፥ ሰብ ገማድያ ኸዓ ኣብ ግንብታትኪ ነበሩ፤ ዋላቱኦም ኣብ ወሰና ወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፤ ንመልክዕኺ ፈፀምዎ።”</verse>
				<verse number="12">“ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።</verse>
				<verse number="13">ያዋንን ቶቤልን ሞሳሕን ነጋዶኺ ነበሩ፤ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ቤት ቴርጋማ በፍራስን በፍራስ ውግእን ብበቕልታትን ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ።</verse>
				<verse number="15">ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፤ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነጊዶም ኣመሓላለፉ፤ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከዓ ገፀ በረኸት ኣምፅኡልኪ።</verse>
				<verse number="16">ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፤ ብኽቡር ዕንቍን ብቀይሕ ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባን፥ ብዛዕጐልን ብሮቢኖስን፥ ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ።</verse>
				<verse number="17">ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፤ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመፀ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።</verse>
				<verse number="18">ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን፥ ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝኾነ ሃብትን ብወይንን ብኬልቦንን ብፀምርን መናግድኺ ነበረት።</verse>
				<verse number="19">ዌንዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓፂንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።</verse>
				<verse number="20">ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ንግዳ ገበረት።</verse>
				<verse number="21">ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ፤ ምሳኺ ኽነግዱ ጥቦታትን ማጓሉን ኣጣልን ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ፤ ብብሉፅ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ብወርቅን ይነግዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="23">ካራንን ካኔን ኤዶንን ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ብብሉፅ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀ ዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፥ ብኦም ሊባኖስ ዝተገብረን፥ በግማድ እተኣስረን ክቡር ዓለባ ዝመልአ ሳፁን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">መራኽብ ተርሴስ ከዓ ቃፍላይ ንግድኺ ነበሩ። ተመሊእኺ ነበርኪሞ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ የመና ኸበርኪ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፤ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።</verse>
				<verse number="27">ሃብትኽን መናገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን መራሕቲ መራኽብክን መዐረይቲ ስቡርክን ነጋዶኽን፥ ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእኽን፥ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ ዝተልዓለ፥ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="29">ኵላቶም ብመቕዘፍ ዝቐዝፉን ባሕረኛታትን፥ ኵላቶም መራሕቲ መራኽብን፥ ካብ መራኽቦም ክወርዱ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኽቖሙ እዮም።</verse>
				<verse number="30">ብዛዕባኺ ድምፆም ከስምዑ፥ ኣምሪሮም ድማ ኽበኽዩልኪ እዮም፤ ኣብ ርእሶም ሓመድ ክንስንሱ፥ ኣብ ሓመዅሽቲውን ጠንቀላዕላዕ ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="31">ርእሶም ክላፅዩልኪ፥ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፥ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="32">እናሕቘንቈኑ ብቝዘማ፥ ‘ኸምታ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ስቕ ዘበልዋ፥ ከም ጢሮስ መን ነበረት?’ ኢሎም ክቝዝሙልኪ እዮም።</verse>
				<verse number="33">ኣቑሑ ንግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወፀ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣፅገብክዮም፤ በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ንግድኽን፥ ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም።</verse>
				<verse number="34">በታ ኣብ ባሕሪ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፥ ንግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእኸልኪ ወደቐ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፥ ነገስታቶም ከዓ ኽርዕዱ እዮም፤ ገፆምውን ክኽፋእ እዩ።</verse>
				<verse number="36">እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።</verse>
				<verse number="3">እንሆ ኻብ ዳንኤል ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብአካን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብጥበብካን በኣእምሮኻን ሃብቲ ኣጥረኻ፤ ኣብ መዛግብትኻ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።</verse>
				<verse number="5">በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብንግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕኻ፤ ብምኽንያት ሃብትኻ ኸዓ ልብኻ ተዓበየ።”</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፥</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ፥ እንሆ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዝጭክኑ ጓኖት ከተስአልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ፅቡቕ ጥበብካ ሰይፎም ክመዙ፥ ግርማኻ ድማ ኸርክሱ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ናብ ጕድጓድ ከውርዱኻ እዮም፤ ንስኻውን ከምቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽትመውት ኢኻ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ንስኻ ኸምቲ ኣማውታ ዘይግሩዛት፥ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="12">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ንስኻ ጥበብ ዝመልአካ፥ ፍፁም ዝመልክዕኻ፥ ብሉፅ ማሕተም ነበርካ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።</verse>
				<verse number="15">ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ፥ ክሳዕ እቲ በደል እተረኽበካ ጊዜ፥ ብመንገድካ ፍፁም ነበርካ።</verse>
				<verse number="16">ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ።</verse>
				<verse number="17">ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ።</verse>
				<verse number="18">ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ዝፈልጡኻ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብኣኻ ኽስክሑ እዮም፤ መሰክሒ ኾንካ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኸቶ ኣይትህሉን ኢኻ።”</verse>
				<verse number="20">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="21">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ፌራን ደምን ኣብ ኣደባባያ ኽሰደላ እየ፤ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸዓ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእኸላ ፃሕ ክብሉ እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="24">“ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ኣብኣ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣባይቲ ኸዓ ኽሰርሑ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኽተኽሉ እዮም፤ ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኣም ኮይኖም ዘቃልልዎም ዘለዉ፥ ፍርዲ ምስ ፈፀምኩ፥ ሽዑ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="29">
				<verse number="1">ኣብ ዓስረይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣቢልካ ምለስ፤ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፅን ከዓ ተነበ።</verse>
				<verse number="3">ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ምንጋጋኻ መቝለብ ክገብር፥ ንዓሳታት ሩባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፤ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዘሎ ዓሳ ኸዓ፥ ካብ ማእኸል ሩባታትካ ኸውፅአካ እየ።</verse>
				<verse number="5">ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ሩባታትካን፥ ኣብ በረኻ ኽድርቢ፥ ኣብ በረኻ ኽትወድቕ ኢኻ፤ ኣይትእረን ኣይትእከብንውን ኢኻ፤ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን፥ ምግቢ ገይረ ወፈኹኻ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ዅሎም፥ ንቤት እስራኤል ምርኵስ ዘንጊ ኾይኖምዎም እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="7">“ብኢዶም እንተ ሓዙኻ ተሰበርካ፤ ንዅሉ መንኵቦም ከዓ ወጋእኻ፤ እንተ ተፀግዑኻ ተሰባበርካ፤ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምፅአልካ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻባኻ ኸጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ዝገበርክዎ ኢሉ እዩ እሞ፥ ምድሪ ግብፂ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="10">“ስለዙይ እኒሀኹ፥ ኣባኻን ኣብ ሩባታትካን ክለዓለካ፥ ንሃገር ግብፂ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴዌኔና፥ ክሳዕ ወሰን ኢትዮጵያ ኸዓ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ።</verse>
				<verse number="11">እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን።</verse>
				<verse number="12">ንሃገር ግብፂ ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ፤ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክኾና እየን፤ ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክብትኖም እየ።”</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብፃውያን ካብ ማእኸል እቶም ተበቲኖምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ።</verse>
				<verse number="14">ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ካልኦት መንግስትታት ትሕት ክትብል፥ መሊሳ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኣይትዕበን እያ፤ መሊሶም ኣብ ኣህዛብ ከይገዝኡስ ከውሕዶም እየ።</verse>
				<verse number="16">ድሕሪዙይ ቤት እስራኤል ብኣኣቶም ኣይእመኑን እዮም፤ ናብኣቶም ቈላሕ እንተ በሉ ግና በደሎም ከዘክርዎም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="17">ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀኒ፦</verse>
				<verse number="18">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ፃዕሪ ኣፅዓሮም፤ ርእሲ ነዂዑ፤ መንኵብ ተመሊጡ፤ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ዝፀዓሮ ፃዕሪ፥ ንሱ ወይ ጭፍራኡ ዝኾነ ደመወዝ እኳ ኣይረኽቡን።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንምድሪ ግብፂ ኽህቦ እየ፤ ንሱ ሃብታ ኽወስድ፥ ዝዝረፍ ክዘርፍ፥ ዝዝመት ከዓ ኽዘምት እዩ፤ እዙይ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፥ ፃማ ፃዕሩ ምድሪ ግብፂ ሃብክዎ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="21">“በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፥ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእኸሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="30">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ተነበ፤ በልውን፤ መዓልቲ ቐሪባ፥ እወ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፤ መዓልቲ ደመና ጊዜ ኣህዛብ ክኸውን እዩ እሞ፥ ‘ዋይ በሉ ንመዓልቲ! ዋይ በሉ!’</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን ኩብን፥ ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ምድርን ምስኣቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።”</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፤ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸዓ ኽዋረድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴዌኔር፥ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት ከዓ ኽባድሙ እዮም፤ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ክኾና እየን።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ ደገፍታ ዅሎም ከዓ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="9">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ደሓን ኣለኹ እትብል ኢትዮጵያ ኸሰምብድዋ፥ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገፀይ ክወፁ እዮም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ግብፂ ዝኾነ ፍርሓት ክኾኖም እዩ።”</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኸጥፍኦ እየ።</verse>
				<verse number="11">ንሱን ህዝቡ ኸዓ ምስኡን ካብቶም ህዝብታት የመና ዝጭክኑ፥ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ኽወፁ እዮም፤ ሰይፎም ንግብፂ ኽመዙላ፥ ነታ ምድሪ እውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጣዖታት ከጥፍኦም ንምስልታት ካብ ሜምፎስ ከወግዶም እየ፤ ድሕሪዙይ ካብ ምድሪ ግብፂ መስፍን ኣይኸውንን እዩ፤ ናብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ፍርሓት ከምፅእ እየ።</verse>
				<verse number="14">ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ።</verse>
				<verse number="15">ቍጥዓይ ከዓ ናብ ሲን እታ ዕርዲ ግብፂ ኽኽዑ ንህዝቢ ኖእ ድማ ኸጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ግብፂ ሓዊ ኽእጕድ እየ፤ ሲን ክትጭነቕ እያ፤ ኖእ ክትጠፍእ እያ፤ ንሜምፎስ ከዓ ፀላእቲ ብመዓልቲ ኽመፅዋ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ኣጕባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ንሳተን ከዓ ኽማረኻ እየን።</verse>
				<verse number="18">ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።</verse>
				<verse number="19">ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="20">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="21">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።”</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣብ ርእሱ ኣለኹ፤ ነተን ቀላፅሙ፥ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን ክሰብረን፥ ነቲ ሰይፊ ኸዓ ኻብ ኢዱ ኸውድቖ እየ።</verse>
				<verse number="23">ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ።</verse>
				<verse number="24">ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፤ ቀላፅም ፈርዖን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን፤ ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፥ ንሱውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="31">
				<verse number="1">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቡን ‘ብዕቤትካ ንመን ትመስል?’ በሎ።</verse>
				<verse number="3">“እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ማያት ኣብቈልዎ፤ ቃላይ ኣዕበዮ፤ ውሕጅ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሓዘ፤ ፈሳሲኡውን ናብ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ሰደደ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ቁመቱ ኻብ ኵለን ኣእዋም በረኻ ተመልመለ፤ ሳላ እቲ ዘዕምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨንገፉ ነውሐ።</verse>
				<verse number="6">ኣብቲ ጨናፍሩ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ጨንገፉ ድማ ዅሎም እንስሳ በረኻ ተዋለዱሉ፤ ኣብ ፅላሉ ኸዓ፥ ኵሎም ዓበይቲ ኣህዛብ ይቕመጡሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፥ ብዕቤቱን ብምንዋሕ ጨንገፉን ፅቡቕ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኽውሎ ኣይከኣለን፤ ፅሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸልዎን፤ ፀሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ካብ ዘሎ ኦም፥ ሓደ እኳ ብፅባቐ ኣይተመዓራረዮን።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ፅቡቕ ገበርክዎ፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣእዋም ኤደን ከዓ ዅላተን ቀንኣሉ።”</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብቑመት ልዕል ልዕል ስለ ዝበልካ፥ ርእስኻውን ኣብ ማእኸል ዕሙር ደመና ጨናፍር ስለ ዝገበረ፥ ብምኽንያት ቁመቱ ልቡ ስለ ዝተዓበየ፥</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ኣህዛብ ሓያል ከም ድሌቱ ኽገብሮ ኣሕሊፈ ሃብክዎ፤ ብሰንኪ ኽፍኣቱ ደርበኽዎ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ጓኖት ናይ ኣህዛብ ጨካናት፥ ቈራሪፆም ደርበይዎ፤ ጨናፍሩ ኣብ እምባታትን ኣብ ኵሉ ሩባታትን ወደቐ፤ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣፃድፍ እታ ምድሪ ተሓምሸሸ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ፥ ካብ ፅላሉ ተመለሱ፤ ሓደግዎውን።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዱ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፤ ኵሎም እንስሳ በረኻ ድማ ኣብ ጨንፈሩ ሰፈሩ።</verse>
				<verse number="14">እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ፥ ሰባት ከም ዝቝዝሙ ገበርኩ፤ ብሰንኩ ንቓላይውን ምእንታኡ ኣጐልበብኩዎ፤ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፤ ዓበይቲ ማያት ተኸልከሉ፤ ብሰንኩ ንሊባኖስ ኣሕዘንክዎ፤ ብሰንኩ ዅለን ኣእዋም በረኻ ተናወፃ።</verse>
				<verse number="16">ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፥ ካብ ድምፂ ምውዳቑ ዝተልዓለ ንኣህዛብ ራዕራዕ ኣበልክዎም፤ ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሕሩያትን ፅቡቓትን ኣእዋም ኤደን፥ ማይ ዝሰትያ ዝነበራ ዅለን፥ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተፀናንዓ።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ድማ ናብቶም ቅልፅሙ ኾይኖም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣብ ፅላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።”</verse>
				<verse number="18">እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="32">
				<verse number="1">ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ኣብታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ መልቀስ ኣልቅሰሉ በሎውን፦ ‘ንስኻ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፥ ኣብ ባሕርታት ከዓ ኸም ገበል ትመላለስ ነበርካ፤ ኣብ ሩባታትካውን ጠውላሕላሕ በልካ፤ በእጋርካ ማያት ኣናዊፅካ ነቲ ወሓዚ ድማ ዘረግካዮ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብብዙሓት እኩባት ኣህዛብ ገይረ፥ ኣነ መርበበይ ክዝርግሐልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመርበበይ ክስሕቡኻ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፃሕ ከብለካ፥ ኣብ በረኻ ኽድርብየካ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፤ ንኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ፥ ብኣኻ ኸፅግቦም እየ።</verse>
				<verse number="5">ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ እምባታት ከንብሮ፥ ንሽንጥሮታት ከዓ ብኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ።</verse>
				<verse number="6">ነታ እትሕምሰላ ዘለኻ ምድሪ፥ ክሳዕ እምባታት ብደምካ ኸስትያ እየ፤ እቲ ሩባታት ከዓ ብኣኻ ኽመልእ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ከጥፍአካ እንተለኹ፥ ንሰማያት ከጐልብቦ፥ ንኸዋኽብቱ ኸዓ ኸፀልምቶም፥ ንፀሓይ ድማ ብደመና ኽኽውላ እየ፤ ወርሒውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።</verse>
				<verse number="8">ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰንክኻ ኸፀልምቶ፥ ኣብ ምድርኻውን ፀልማት ክዝርግሕ እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="9">“ወረ ጥፍኣትካ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ዘይተፈልጡ ሃገራት ምስ ኣብፃሕኹ፥ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ።</verse>
				<verse number="10">ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኣቶም ማሕማሕ ከብሎ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ብኣኻ ኸሰኽሖም እየ፤ ነገስታቶም ድማ የመና ኽርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ኵልሻዕ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ።”</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ክለዓለካ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ፥ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም፥ ካብ ኣህዛብ ዝጭክኑ እዮም። ንትዕቢት ግብፂ ኸጥፍእዎ እዮም፤ ኵሉ እቲ ብዝሓታ ኸዓ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳት ከጥፍእ እየ። ድሕሪዙይ እግሪ ሰብ ኣይዘርጎን፤ ሸዀና እንስሳውን ኣይረግፆን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንማያቶም ከፅርዮ እየ፤ ንሩባታቶም ድማ ኸም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">ነታ ምድሪ ግብፂ በረኻ ምስ ገበርክዋ፥ እቲ ነታ ምድሪ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም ምስ ወቓዕኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝልቀስ መልቀስ እዙይ እዩ፤ ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳላ እየን፤” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="17">ኮነ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="18">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።”</verse>
				<verse number="19">“ብፅባቐ ኻብ መን ትበልፂ? ውረዲ ምስቶም ዘይግሩዛት ከዓ ደቅሲ።</verse>
				<verse number="20">“ኣብ ማእኸል እቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። ንሰይፊ ተውሂባ ኣላ፥ ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጕተትዋ።</verse>
				<verse number="21">ካብቶም ጀጋኑ እቶም ኣውራታት ሓያላት፥ ካብ ውሽጢ ሲኦል፥ ንእኡን ንደገፍቱን ከምዙይ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፤ ‘እቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ወሪዶም ኣብኡ ለጥ ኢሎም’ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">“ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ብሰይፊ ወዲቖም ተቐተሉ።</verse>
				<verse number="23">መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም።</verse>
				<verse number="24">“ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን፥ ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐተሉ፤ ብሰይፊ እውን ወደቑ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግሩዛት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ተሸከሙ።</verse>
				<verse number="25">ንኣኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእኸል እቶም ቅቱላት ኣንፀፉሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሸከሙ፤ ኣብ ማእኸል ቅቱላትውን ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">“ኣብኡ ሞሳህን ቶቤልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኣቶም ድማ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ንሳቶም ከዓ ምስቶም ካብቶም ዘይግሩዛት ዝወደቑ፥ ምስ ኣፅዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስይፍቶም ዘንበሩ ጀጋኑ፥ ምስኣቶም ክድቅሱ እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቶም እዩ።</verse>
				<verse number="28">“ንስኻ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ክትሰባበር፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ድማ ኽትድቅስ ኢኻ።</verse>
				<verse number="29">“ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም ኣሕሉቓን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ተነበሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱን ዘይግሩዛትን ደቂሶም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="30">“ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ፥ ኵላቶም ኣሕሉቕ ሰሜንን፥ ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘሰክሑ እንትኾኑ፥ ነዊሮም ዘይግሩዛት ኮይኖም፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ይድቅሱ ኣለዉ፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ይፆሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="31">“ፈርዖን ክሪኦም፥ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸዓ ኽፀናናዕ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="32">“ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዝኸውን ከምፅእ እየ እሞ፥ ንፈርዖንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፥ ለጥ ከብልዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="33">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም፤ በሎምውን፦ ኣነ ሰይፊ ናብ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክኾኖም እንተ መረፅዎ፥</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኽመፅእ እንተ ረአየ እሞ፥ መለኸት እንተ ነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ኣጠንቀቖም፥</verse>
				<verse number="4">ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ድምፂ መለኸት ሰሚዑ ኣይተጠንቀቐን እሞ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዝጥንቀቕስ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”</verse>
				<verse number="7">እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።</verse>
				<verse number="9">ግናኸ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።”</verse>
				<verse number="10">ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፦ “ንስኻትኩምስ፥ ሓጢኣትናን በደልናን ኣብ ርእስና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብሰንኩ ንደክም ኣለና፤ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፥ ትብሉ ኣለኹም በሎም።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።</verse>
				<verse number="12">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ በታ ንሱ ዝበደለላ መዓልቲ ኣየድሕኖን እዩ፤ ሓጢኣት እቲ ሓጥእ ከዓ፥ በታ ኻብ ሓጢኣት ዝምለሰላ መዓልቲ ብሓጢኣቱ ኣይሰናኸልን እዩ፤ እቲ ፃድቕውን በታ ዝሓጥአላ መዓልቲ፥ በቲ ፅድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ፃድቕ ብርግፅ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ብፅድቁ ተአሚኑ እንተ ሓጥአ፥ ንሱ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ እምበር፥ እቲ ዅሉ ፅድቁ ኣይዝከረሉን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ሓጥእ ድማ ብርግፅ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን እንተ ገበረ፥</verse>
				<verse number="15">እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይዝከረሉን፤ ፍትሕን ቅንዕናን ገይሩ እዩ እሞ፥ ርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="17">“ግና ደቂ ህዝብኻ ኸዓ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ኣለዉ፤ ግናኸ ዘይቅኑዕስ መንገዳቶም እዩ።</verse>
				<verse number="18">ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ፥ ዓመፃ ኸዓ እንተ ገበረ፥ ብሰንካ ኽመውት እዩ።</verse>
				<verse number="19">ሓጥእውን ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን ድማ እንተ ገበረ፥ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንስኻትኩም ግና መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ።”</verse>
				<verse number="21">ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዘምለጠ እንተይመፀ እንተሎ፥ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፂኣ ነበረት። ንፅባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመፀኒ ኸዓ ኣፈይ ከፈተለይ። በዝ ከምዙይ ኣፈይ ተኸፍተለይ፤ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="23">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="24">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="25">“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ።</verse>
				<verse number="29">ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ ፅያፎም፥ ነታ ምድሪ እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፥ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="30">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኮይኖም፥ ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፤ ንስንሳቶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ‘እስኪ ንዑናይ ካብ እግዚኣብሄር ዝወፅእ ቃል፥ እንታይ ከም ዝኾነ ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="31">ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።</verse>
				<verse number="32">እምበኣርከስ ንስኻ ፅቡቕ ድምፂ ኸም ዘለዎ ተፈታዊ መዝሙር፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ኮንካዮም፤ ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፥ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።</verse>
				<verse number="33">እንሆ እዙይ ይመፅእ ኣሎ፤ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቢይ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="34">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፤ ፀምሪ ትኽደኑ፤ ነቲ ዝሰብሐ ተሓርዱ፤ ነቲ መጓሰ ግና ኣይተውፍሩን።</verse>
				<verse number="4">ንዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፤ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምን፤ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፤ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፤ ንዝጠፍአት ኣይደለኹምን፤ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኹምወን።</verse>
				<verse number="5">ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ።</verse>
				<verse number="6">ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።”</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ “ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤</verse>
				<verse number="8">ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እየ፤ ኣባጊዐይ ከዓ ኻብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፥ ጓስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ፤ ድሕሪዙይ ቀለቦም ከይኾና ድማ፥ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፤ ይብል ኣሎ።”</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ፥ ነተን ኣባጊዐይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="16">“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።</verse>
				<verse number="17">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣትን ኣባጊዐይ፥ እንሆ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፥ ኣብ መንጎ ማጓሉን ዲባሉን ክፈርድ እየ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ዝተረፈ መውፈሪኹም በእጋርኩም እትረግፅዎስ ኣብቲ ልሙዕ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ? ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎኸ፥ እቲ ፅሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ?</verse>
				<verse number="19">እሞ እተን ኣባጊዐይ፥ እቲ በእጋርኩም እተረግፀዶ ኽበልዓ እየን? እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎኸ ኽሰትያ ድየን?’ ”</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን፥ እተን ዕባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ።</verse>
				<verse number="21">ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ኣነ ነባጊዐይ ድሕሪዙይ ንዘመተ ኸይውፈያ ኸድሕነን፥ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከዓ ኽፈርድ እየ።</verse>
				<verse number="23">ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእኸሎም ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”</verse>
				<verse number="26">ኣነ ኸዓ “ንኣኣተን ነቲ ኣብ ዙርያ ዀረብታይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ፤ ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፤ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="27">ኦም በረኻ ፍረኡ ኸፍሪ እዩ፤ ምድሪ እውን በቝላ ኽትህብ እያ። ኣብ ምድሮም ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፥ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከዓ ምስ ኣናገፍክዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="28">ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን።</verse>
				<verse number="29">ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም።</verse>
				<verse number="30">ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም ከም ዝኾንኩ፥ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኽፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="31">“ኣቱም ኣባጊዐይ፥ ኣባጊዕ መውፈሪየይ፥ ንስኻትኩም ሰባት ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="35">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባ ሴይር ኣብል፤ ተነበየሉውን።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።”</verse>
				<verse number="4">“ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፤ ንስኻ ድማ ኽትባድም ኢኻ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="5">“ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ኣነ ህያው እየሞ፥ ንደም ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ክውፍየካውን እየ፤ ደም ከዓ ኸሳጕጐካ እዩ፥ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር፤ ደም ኣይፀላእኻን እሞ፥ ደም ከሳጕጐካ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንእምባ ሴይር ባዶን በረኻን ክገብሮ፥ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ኸፅንቶ እየ።</verse>
				<verse number="8">ንእምባታቱ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ፤ ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ሩባሩባታትካን፥ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፤ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክኾና እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="10">“እግዚኣብሄር ኣብኣ እንተሎስ፥ ንስኻ እዞም ክልተ ህዝብን፥ እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ክኾኑ፥ ንሕናውን ክንወርሰን ኢና ኢልካ ኢኻ እሞ፥</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ኸምቲ ቝጥዓኻን፥ ከምቲ ፀሊእኻ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ፤ ምስ ፈረድኩኻ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ።</verse>
				<verse number="12">‘እቲ እምባታት እስራኤል በረኻ ኾይኑ፥ ብልዒ ክኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ዅሉ ፀርፍኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕኽዎ ኽትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="36">
				<verse number="1">ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንእምባታት እስራኤል ተነበየሎም፤ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ ከዓ በሎም።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ፀላኢ ኣሰይ፥ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ኾነ” ኢሉ ብዛዕባኻትኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፥</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ “ነቶም ዝተረፉ ኣህዛብ ርስቶም ምእንቲ ኽትኮኑስ፥ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦምኹምን መመሰሊ ልሳንን መላገፂ ህዝብን ከዓ ዄንኩም ኢኹም እሞ፤</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ ንዝባደመ ዑናታትን፥ ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያአን ዝተረፉ ኣህዛብ፥ ንዘመተን ንባጫን ኮይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዙይ ይብል።”</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሓጕሶም ብነፍሶም ንዒቖም ዘመተ ኽትከውንስ፥ ነታ ምድረይ እተረስተይዋ ተረፍ ኣህዛብን፥ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።”</verse>
				<verse number="6">እምበኣር “ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንሆ ንስኻትኩም ፀርፊ ኣህዛብ ስለ እተሰከምኩም፥ ኣነ ብቕንኣተይን ብቝጥዓይን ተዛረብኩ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፥ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኣባኻትኩምን ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤልን ከዓ ሰብ ከብዝሐላ እየ፤ ከተማታት ሰብ ክሰፍሮ፥ ዑናታት ድማ ኽስራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ሰብ በሊዕኺ’ ንህዝብኺ ኸዓ ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ጌርኪዮ ኢኺ ይብሉኺ ኣለዉ እሞ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ድሕሪዙይ ‘ሰብ ኣይትበልዕን’ ንህዝብኺውን ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ኣይትገብርዮን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="15">ደጊምስ ፀርፊ ኣህዛብ ኣየስምዐክን እየ። ላግፂ ህዝብታት ኣይትፆርን፤ ድሕሪዙይውን ንህዝብኺ ኣይተዐንቅፍዮምን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”</verse>
				<verse number="16">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="17">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም እንተለዉ ብመንገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ፤ መንገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ፅግያት ሰበይቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝኸዓውዎ ደምን፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዘርከስዋን ቍጥዓይ ኣፍሰስኩሎም።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘሮኽዎም፤ ኣብ ሃገራት ከዓ ፋሕ በሉ ኣነውን ከም መንገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም።</verse>
				<verse number="20">ብዛዕባኣቶም ከዓ፥ እዚኣቶምስያ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፤ ካብ ምድሩውን ወፂኦም” እናተብሃለ፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በፅሑ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ኣናሕሰኹሉ።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዙይ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣተኹምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፥ ምእንታኻትኩም ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝረኸሰ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸዓ፥ እቶም ኣህዛብ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="24">“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ።</verse>
				<verse number="25">ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።</verse>
				<verse number="26">ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።</verse>
				<verse number="27">ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፥ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፥ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።</verse>
				<verse number="28">ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ኸናግፈኩም፥ ንእኽሊ ኽፅውዖን ከብዝሖን እየ፤ ድሕሪዙይውን ጥሜት ኣየምፅአልኩምን እየ።</verse>
				<verse number="30">ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ዘንፅሀላ መዓልቲ፥ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፥ እቲ ዑናታት ከዓ ኸም ዝስራሕ ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="34">እታ ዝባደመት ምድሪ፥ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፥ ክትሕረስ እያ።</verse>
				<verse number="35">ሽዑ ኸዓ ‘እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ፥ ከም ገነት ኤደን ኮነት፤ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ፥ ዝተዓረዳን ሰብ ዝነብረለንን ኮና’ ኽበሃል እዩ።</verse>
				<verse number="36">እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕኹዎ፥ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮ ድማ እየ።”</verse>
				<verse number="37">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።</verse>
				<verse number="38">ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፥ ከምተን ኣብ በዓላታ ዝኾና መጓሰ ኢየሩሳሌም፥ እተን ዝባደማ ኸተማታት፥ ብመጓሰታት ሰብ ክመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="37">
				<verse number="1">ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብቲ ዝባን ለሰ የመና ብዙሕ ነበረ፤ እንሆ የመናውን ንቑፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶምስ ህያዋንዶ ክኾኑ እዮም? በለኒ” ኣነ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንስኻ ትፈልጥ” ኢለ መለስኩ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ተነበ፦ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካውን ንገሮም በለኒ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ጅማውቲ ኸንብረልኩም፥ ስጋ ኽገብረልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ ኸዓ ጅማውትን ስጋን ክወፆም ቈርበት ድማ ክኸድኖም ረአኹ፤ እስትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንሱ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ ንንፋስ ተነበየሉ፤ ንንፋስ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣታ ንፋስ እዞም ቅቱላት ህያዋን ክኾኑስ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ነዓ እሞ፥ ኣብኣቶም ንፈስ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፤ እስትንፋስ ድማ ኣተዎም፤ ህያዋንውን ኮኑ፤ በእጋሮም ከዓ ቖሙ፤ የመና ዓብዪ ጭፍራውን ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፤ እንሆ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት እየ፤ ኣቱም ህዝበይ ካብ መቓብራትኩም ድማ ኸውፅአኩም፥ ናብ ምድሪ እስራኤልውን ከእትወኩም እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ህዝበይ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፥ ካብ መቓብራትኩም ከዓ ምስ ኣውፃእኩኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምድሪኹም ድማ ኸንብረኩም እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን፥ ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="16">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሓደ በትሪ ውሰድ እሞ ‘ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ፤ ድሕሪኡውን ካልእ በትሪ ‘ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ።</verse>
				<verse number="17">ሓደ በትሪ ክኸውንስ፥ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፤ ኣብ ኢድካ ኸዓ ሓደ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፥ እዝ እትገብሮ ዘለኻ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ሓሳብካዶ ኣይትገልፀልናን ኢኻ? ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፥</verse>
				<verse number="19">ንስኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን፥ ነገድ እስራኤል ብፆቱን ዘሎ በትሪ ዮሴፍ ክወስድ፥ ኣብቲ በትሪ ይሁዳ ኸዓ ኽድርቦም፥ ኣብ ኢደይ ሓደ ክኾኑስ፥ ሓደ በትሪ ኽገብሮም እየ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ዝፀሓፍካሉ በትሪ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ።</verse>
				<verse number="22">ኣብታ ምድሪ ኣብ እምባታት እስራኤል ከዓ፥ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፤ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኽልተ ህዝቢ ኣይኾኑን፤ ድሕሪዙይውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይምቀሉን እዮም።</verse>
				<verse number="23">ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="24">ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።</verse>
				<verse number="25">ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="26">ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ።</verse>
				<verse number="27">ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="28">መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="38">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መፀ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ ኣብ ምድሪ ማጎግ፥ እቲ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን መልስ እሞ ኣንፃሩ ተነበየሉ፤</verse>
				<verse number="3">በልውን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን ኣብ ክሳድካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ንጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ቤት ቴርጋማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ንብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ ኸውፅኦም እየ።</verse>
				<verse number="7">ተዳሎ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፤ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትድለ ኢኻ፤ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት፥ ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፥ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ እምባታት እስራኤል ክትአቱ ኢኻ፤ ካብ ህዝብታት ወፂኣስ ኵላቶም ሃዲኦም ክነብሩላ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ነገር ኣብ ልብኻ ኽትስእ እዩ፤ ክፉእ ሓሳብውን ክትሓስብ ኢኻሞ፥</verse>
				<verse number="11">ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ክትማርኽን ክትብዝብዝን፥ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕዚ ሰብ ዝነብረሉ ዘሎ፥ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፥ ካብ ኣህዛብ ዝተኣከበ፥ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፥ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሴስን እቶም ኰራዅር ኣናብሱን፥ ምርኮ ኽትማርኽዶ መፂእኻ? ዘመተ ኽትዘምት፥ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፥ ከፍትን ሃብትን ክትሕዝ፥ ብዙሕ ምርኮ ኽተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም? ክብሉኻ እዮም።”</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፦ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣይትፈልጦን ዲኻ?</verse>
				<verse number="15">ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡን፥ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ፥ ካብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኣቶም ከም ዘምፅአካ፥ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን?”</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፦ “በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ክፃረረላ ዝመፀላ መዓልቲ፥ መቕሰፍቲ ብመዓተይ ክመፅእ እዩ፤ ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እዛረብ ኣለኹ፤ ርግፅ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል፥ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ እምባታተይ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽፅውዐሉ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ፥ ኣብ ርእሲ ሓዉ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ።</verse>
				<verse number="23">በዝ ኸምዙይ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክገሃድ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ባዕለይ ክፍለጥ እየ፤ ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="39">
				<verse number="1">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጎግ ተነበየሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፥ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን እኒሀኹ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ እየ።</verse>
				<verse number="2">ክመልሰካ እየ፤ ክኹብኩበካ እየ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ክጐተካ፥ ናብ እምባታት እስራኤል ከዓ ኸእትወካ እየ።</verse>
				<verse number="3">ንቐስትኻ ኻብታ ፀጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፥ ንፍላፃታትካ ኸዓ ኻብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ኣብ በረኻ ክትወድቕ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማጎግን፥ ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን፥ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="7">እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”</verse>
				<verse number="8">“እንሆ ኽመፅእ፥ ክኸውን ድማ እዩ፤ እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="9">“እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ኽወፁ እዮም እሞ፥ ንኣፅዋራት ኲናት ከቃፅሉ እዮም፤ ንዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላፃታትን ኣጕማድን ኲናታትንውን ብሓዊ ኸንድድዎ እዮም፤ ሸውዓተ ዓመትውን ብሓዊ ኸንድድዎም እዮም።</verse>
				<verse number="10">በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="11">“በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ።</verse>
				<verse number="12">ቤት እስራኤል ከዓ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸፅርዩስ፥ ብሸውዓተ ወርሒ ኽቐብርዎም እዮም።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ኽቐብሮም እዩ፤ እዙይውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ፥ ንስም ክኾኖም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="14">ምእንቲ ኸፅርዩስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዝፀንሑ ኽቐብሩ፥ ምስቶም ቀባሮ ኾይኖም፥ ነታ ምድሪ እንተየቋረፁ ዝዞርዋ ሰብኡት ቈፂሮም ከዋፍሩ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ እውን ሃለው ክብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እቶም እናዞሩ በታ ምድሪ ዝሓልፉ፥ ሓደ ኻብኣቶም ዓፅሚ ሰብ እንተ ረአየ፥ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሓሞን ጎግ ክሳዕ ዝቐብርዎ፥ መሐበርታ ምልክት ክገብረሉ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ስም እታ ኸተማ ኸዓ ሓሞና ኽበሃል እዩ፤ በዝ ኸምዙይ ነታ ምድሪ ኸፅርይዋ እዮም።”</verse>
				<verse number="17">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’</verse>
				<verse number="18">ስጋ ናይቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፥ ደም ናይቶም ኣሕሉቕ ምድርን ናይ መኻኽትን ማጓሉን ዲበላታትን ኣብዑርን ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ካብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ፥ ክሳዕ እትፀግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፥ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="21">“ኣነ ኸዓ ኽብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክገልፅ እየ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ነቲ ዝፈፀምክዎ ፍርደይን፥ ነታ ኣብ ልዕሊኣቶም ዘንበርክዋ ኢደይን ክሪኡ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="23">እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ቤት እስራኤል ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም፤ ንኣይ ስለ ዝበደሉ፥ ገፀይ ከወልኩሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶምውን ወፈኽዎም፤ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ።</verse>
				<verse number="24">ከም ርኽሰቶምን ከም መጠን በደሎምን ገበርክዎም፥ ገፀይ ከዓ ኸወልኩሎም።”</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።</verse>
				<verse number="26">ካብ ማእኸል ኣህዛብ ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብኣቶም ምስ ተቐደስኩ፥ ሓደ እኳ ዘፍርሖም ዘይብሎም ኣብ ምድሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፥ ሕፍረቶምን ንኣይ ዝበደሉኒ ዅሉ በደሎምን ክፆሩ እዮም።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ኣነ ናብ ማእኸል ኣህዛብ ኣማሪኸዮም ነይረ እየሞ፥ ናብ ምድሮምውን ኣኪበዮም እየሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብኣቶም ሓደ እኳ ኣብኡ ኣየትርፍን እየ።</verse>
				<verse number="29">ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="40">
				<verse number="1">ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፥ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ እታ ኸተማ ኻብ እትውቃዕ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታ፥ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፀት፤ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ።</verse>
				<verse number="2">ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ምእንቲ ኸርእየካ ናብዙይ ተመሪሕኻ ኢኻ እሞ፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ በዒንትኻ ጠምቶ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፤ ብልብኻ ኸዓ ኣቕልበሉ፤ እቲ ዅሉ ዝረአኻዮውን ንቤት እስራኤል ንገሮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="5">እንሆ ኸዓ፥ ነታ ቤት ብወፃኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ፤ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ምንዋሓ ሽዱሽተ እመት እያ፤ እተን እመታ ድማ አእመትን ስድርን እየን፤ ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊ ኾነ፤ ቁመቱውን ሓደ ዘንጊ ኾነ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪዙይ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መፀ፥ ብደረጃታታ ኸዓ ደየበ፤ ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፥ ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ነበረ፤ እታ ኻልአይቲውን ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ኾነት።</verse>
				<verse number="7">ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንብረት ከዓ፥ ምንዋሓ ሓንቲ ዘንጊ፥ ወርዳ ድማ ሓንቲ ዘንጊ እያ፤ ምርሕሓቕ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ ሓሓሙሽተ እመት እዩ፤ እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ፥ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ዘንጊ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊውን ኮነ።</verse>
				<verse number="9">ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፥ ሸሞንተ እመት ከዓ ኾነ፤ ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ኽልተ እመት ኮና፤ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዘብል ደገ ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ድማ በቱይ ነበራ፤ ሰለስቲአን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ፤ እተን ኣዕምዲ ከዓ በዙይን በቱይን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ።</verse>
				<verse number="11">ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ድማ ዓሰርተ ሰለስተ እመት ኮነ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድሚ እተን ክፍሊ ንብረታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዙይ፥ ሓንቲ እመትውን በቱይ እዩ፤ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ፥ በዝ ወገን እዙይን በቲ ወገን እቱይን ሸሽዱሽተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ክፍሊ ንብረት፥ ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ ኣመተ፤ ወርዱ ኸዓ ኻብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኮነ።</verse>
				<verse number="14">ነተን ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ኣፀድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ፥ ክሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ኣብተን ክፍሊ ንብረታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕምድን፥ ብዅሉ ዙርያአን ዓይኒ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን፤ ከምኡውን ኣብተን ገበላታት፥ ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያአን መሳዅቲ ነበረን፤ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕምዲ ከዓ ስየታት ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ዙርያ እቲ ዓፀድውን ብእምኒ ተነፂፉ ነበረ፤ ኣብቲ እምኒ እተነፀፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ ደገታት ነበረ፤ ልክዑ ኸዓ ኸም ምንዋሕ እቲ ደገታት እዩ፤ እዙይ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ቅድሚ እታ ታሕተወይቲ ደገ ሒዙ፥ ክሳዕ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወፃኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፤ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከዓ መሚእቲ እመት ኣመቶ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ንሰሜን ገፁ ዘሎ ናይ ወፃኢ ዓፀድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ።</verse>
				<verse number="21">ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ኸዓ በቱይ ነበራ፤ ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታቱን፥ ከምቲ ስፍራ እታ ቐዳመይቲ ደገ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፥ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="22">መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ ነበረ፤ መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ድማ፥ ብኣንፃር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝሪኣ ደገታት ነበረ፤ ካብታ ሓንቲ ደገ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="24">ድሕሪዙይ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፤ እንሆ ኸዓ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ ነበረት፤ ነዕምዳን ገበላታታን ከዓ ኽንዲ እተን መዐቀኒ ኣመተን።</verse>
				<verse number="25">ከምተን መሳዅቲ ኸዓ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="26">መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ኸዓ፥ ስየታት ሓደ በዙይ ሓደ በቱይ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገ፥ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="28">በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ፥ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ኣእተወኒ፤ ነታ ደገ ደቡብ ከዓ ኽንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ።</verse>
				<verse number="29">ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዳን ገበላታታን ከዓ፥ ክንዲ እቲ መስፈሪ ነበረ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ነበረ።</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ተዛነብ ከዓ ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኡ ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።</verse>
				<verse number="32">ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ዓፀድ ወሰደኒ እሞ፥ ነታ ደገ ኽንዲ እቲ መዐቀኒ ኣመታ።</verse>
				<verse number="33">ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ክንዲ እቲ መዐቀኒ ነበረ፤ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት ወርዳ ኸዓ፥ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ድማ ስየታት በዙይን በቱይን ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።</verse>
				<verse number="35">ናብ ሰሜናዊት ደገ ድማ ወሰደኒ፤ ክንዲ እቲ መዐቀኒ ኸዓ ኣመቶ።</verse>
				<verse number="36">ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ከዓ፥ ከምኡ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ነበረ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="37">ኣዕምዲ ተዛነብ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ኸዓ፥ በዙይን በቱይን ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ኣብ ደገ እታ ገበላ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን፥ ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዙይ፥ ክልተ ሰደቓ ድማ በቱይ ነበሩ።</verse>
				<verse number="40">ኣብ ጥቓ እቲ ብወፃኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዘደይብ መሳልል ከዓ፥ ክልተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ኽልተ ሰደቓታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="41">እምበኣርከስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓታት በዙይ፥ ኣርባዕተ ሰደቓታት ከዓ በቱይ ነበሩ፤ እዝ መስዋእቲ ዝሓርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓታት ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ካብ ውቑር እምኒ ዝተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ምንዋሑ እመትን ስድርን፥ ወርዱ እመትን ስድርን፥ ምብራኹ ሓደ እመት ነበረ፤ ኣብኡውን ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኻልእ መስዋእትን ዝሓርዱሉ መሳርሒ ዘንበሮ ነበረ።</verse>
				<verse number="43">ሰስድሪ ዝምንዋሑ ዅላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ነበረ፤ እዝ ሰደቓታት እዙይ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ ነበረ።</verse>
				<verse number="44">ኣብ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸዓ፥ ንመዘምራን ዝተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ እትርኢ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ እትርኢ።</verse>
				<verse number="45">ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ።</verse>
				<verse number="46">እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።</verse>
				<verse number="47">ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ዓፀድ ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ወርዱውን ሚእቲ እመት ነበረ፤ እቲ መሰውኢ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዝነበረ።</verse>
				<verse number="48">ናብ ገበላ እታ ቤት ከዓ ወሰደኒ፤ ነቲ ኣዕምዲ ተዛነብ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፤ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመትውን በቱይ ነበረ፤ ወርዲ እታ ደገ ኸዓ ሰለስተ እመት በዙይ፥ ሰለስተ እመት በቱይ ነበረ።</verse>
				<verse number="49">ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ እመት ነበረ፤ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕምዲ ተዛነብ ከዓ ሓደ በቱይ፥ ሓደውን በቱይ ኣዕምዲ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="41">
				<verse number="1">ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ፤ ነቲ ዓምዲ እቲ መንደቕውን ኣመቶ፤ እቲ ወርዱ ኸዓ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፥ ሽዱሽተ እመት በዙይ፥ ሽዱሽተ እመት ከዓ በቱይ ኮነ።</verse>
				<verse number="2">ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸዓ ዓሰርተ እመት ነበረ፤ መእተዊ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ በቱይ ነበረ፤ ምንዋሓ ኣርብዓ እመት፥ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመቶ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪዙይ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ፥ ንመንደቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፥ ነታ ኣፍ ደገ ኸዓ ሽዱሽተ እመት፥ ወርዲ እታ ኣፍ ደገውን ሸውዓተ እመት ኣመቶ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ቕድሚ መቕደስ፥ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዕስራ እመት ኣመቶ፤ “እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ” ኸዓ በለኒ።</verse>
				<verse number="5">ድሕሪዙይ መንደቕ እታ ቤት፥ ሽዱሽተ እመት ኣመተ፤ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ወርደን ኣረርባዕተ እመት ኣመቶ።</verse>
				<verse number="6">እተን ብጐና ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ደብሪ ዘለወን ሰላሳ እየን፤ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተፀግዓስ፥ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ክፅግዓ፥ ኣብኡ ተጋጢመን ነበራ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደብሪ ናብ ደብሪ ዝዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፥ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወፀሉ መጠን፥ እናገፍሐ እዩ ዝኸይድ፤ ስለዙይ ምግፋሕ እታ ቤት፥ ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ፤ ከምኡውን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፥ ብማእኸላይ ኣቢሉ መደየቢ ነበራ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኸዓ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ረአኹ፤ እቲ መሰረት እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ በታ ዘንጊ ሽዱሽተ እመት ልክዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሃንፃሉ መንደቕ፥ ወርዱ ብወፃኢ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ኣብ መንጎ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ብዙርያ እታ ቤት ዐዕስራ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ደገታት እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ናብቲ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት፥ ሓንቲ ደገ ንሰሜን፥ ሓንቲ ኸዓ ንደቡብ ኣቢለን ነበራ፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ ኸዓ፥ ብዙርያኡ ወርዱ ሓሓሙሽተ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ሕዳግ እተሃንፀ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት ነበረ፤ ናይቲ እተሃንፀ መእተዊ መንደቕ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ምንዋሑ ኸዓ ተስዓ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ነታ ቤት ድማ ኣመታ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኮነት፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ እቲ ህኑፅን መንደቑን ከዓ፥ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኮነ።</verse>
				<verse number="14">ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፥ ወርዱ ሚእቲ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ፥ ክሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንፃን፥ ነቲ በዙይን በቱይን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኮነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ዓፀድን፥ ናብ ቤተ መቕደስ እተእቱ ኽፍሊ፥ መቕደስ፥ ቅድስተ ቅዱሳን፥</verse>
				<verse number="16">መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተሰርሐ መሳዅትን፥ እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደብርታት ዘሎ መተሓላለፍን፥ ኣንፃር እቲ ልዳት፥ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ድማ ኽዱን ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፥ ብወፃእን ብዅሉ ዙርያ እቲ መንደቕን ብኣታዊኡን ብወፃኢኡን ልክዕ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኪሩቤልን፥ ኪሩቤልን ከዓ ሓንቲ ስየ ነበረት፤ ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከዓ ኸክልተ ገፅ ነበሮ።</verse>
				<verse number="19">ነታ ስየ፥ ናብቲ ሓደ ወገና ገፅ ሰብ፥ ናብቲ ኻልእ ወገና ኸዓ ገፅ ኣንበሳ ነበራ፤ ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ መኣዝን ነበሩ፤ ገፅ እታ ቕድስቲ ቦታ ድማ ትርኢታ ኸምኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">እቲ መሰውኢ ድማ ኻብ ሉሕ እተሰርሐ፥ ቁመቱ ሰለስተ እመት፥ ንውሓቱ ኸዓ ኽልተ እመት ነበረ፤ መኣዝኑን ግድግዳኡን ከዓ ሉሕ ነበረ፤ ንሱውን “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ ማእዲ እያ” በለኒ።</verse>
				<verse number="23">ነታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን፥ ክልተ ማዕፆ ኣለዋአን።</verse>
				<verse number="24">ነፍሲ ወከፍ ማዕፆ ድማ፥ ክልተ መቃን፥ ኣብ ከክልተ ዝዕፀፉ መቃን ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኽልተ መቃን ኣለዋአን።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፥ ኣብተን ደገታት መቕደስ ከዓ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅወን ነበረ፤ ኣብ ወፃኢ እቲ ገፅ ገበላ ኸዓ፥ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ጐኒታት እታ ገበላ ኸዓ በዙይን በቱይን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ነበረ፤ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንፃን እቲ ናይ ናሕሲ ዕንፀይትን ከዓ ኸምኡ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="42">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዘብል መንገዲ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣውፅአኒ፤ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዝርኢ ህንፃን፥ ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከዓ ኣእተወኒ።</verse>
				<verse number="2">እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ሓምሳ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ኣንፃር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸዓ፥ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ነበረ፤ ናብ ውሽጢ ኸዓ ሓደ ዝእመቱ መንገዲ ነበረ፤ ደገታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን።</verse>
				<verse number="5">እቲ መተሓላለፊታት፥ ቦታ ስለ ዝወሰደለን፥ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ናይቲ ህንፃ ይፀባ ነበራ።</verse>
				<verse number="6">ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፥ ኣዕምዲስ ኸምተን ናይ ዓፀድ ኣዕምዲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ይፀባ ነበራ።</verse>
				<verse number="7">እተን ኣብ ወፃኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ምንዋሐን ሓምሳ እመት ነበረ፤ እቲ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ዝነበረውን፥ ሚእቲ እመት ነበረ እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ዘብል፥ ኣብ ወፃኢ ኣብ ኣንፃር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዝነበረ መንደቕ፥ ምንዋሑ ሓምሳ እመት ነበረ።</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ነቶም ካብ ወፃኢ ዓፀድ ዝኣትዉ፥ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኣተን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ መእተዊ እቲ መንደቕ ዓፀድ፥ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑፅን ክፍልታት ኣባይቲ ነበራ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ቅድሚአን ከዓ፥ ከምቲ ናብ ሰሜን ዘብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ነበረ፤ ምንዋሐንን ወርደንን መውፅኢአንን ስርዓተንን ደገአንን ማዕረ ማዕረ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደገታት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እታ መንገዲ ደገ ነበረ፤ ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝአትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዝነበረት እያ።</verse>
				<verse number="13">በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ።</verse>
				<verse number="15">ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድአ፥ በታ ናብ መንገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውፅአኒ፤ በዙይን በቱይን ብዙርያኣ ድማ ኣመታ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መአመቲት ዘንጊ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ወገን ሰሜን ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ኾነ።</verse>
				<verse number="18">ነቲ ወገን ደቡብ ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ።</verse>
				<verse number="19">ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኣመቶ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ፥ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት ኮነ፤ እዙይ ነቲ ቕዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="43">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ናብታ ደገ፥ ናብታ ንምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ደገ ኣውፅአኒ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣነ ዝረአኽዎ ራእይ ድማ፥ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መፃእኹ ዝረአኽዎ ራእይ እዩ፤ እዝ ራእያት እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ራእይ ነበረ፤ ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።</verse>
				<verse number="4">ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ፥ ናብታ ቤት ኣተወ።</verse>
				<verse number="5">መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፤ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ከዓ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኽብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኸዓ ኻብታ ቤት፥ ሓደ ኽዛረበኒ እንተሎ ሰማዕኹ፤ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">በለኒውን፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ንሓዋሩ ዙፋነይ ዝነብረላን፥ እግረይ ዝረግፃን ቦታ እዚኣ እያ፤ ቤት እስራኤል፥ ንሳቶምን ነገስታቶምን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ፥ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ቦታኦም ድሕሪዙይ ኣየርክስዎን እዮም።</verse>
				<verse number="8">መንደቕ ጥራሕ ኣብ መንጎይን መንጎኣቶምን ክሳዕ ዝኸውን፥ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፥ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ፤ በዝ ዝገበርዎ ርኽሰት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ፤ ስለዙይ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ከርሕቑ እዮም፤ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እየ።”</verse>
				<verse number="10">“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብሓጢያቶም ክሓፍሩስ፥ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፤ ምስሊ እቲ ህንፃውን ይለክዑ።</verse>
				<verse number="11">በቲ ዅሉ ዝገበርዎ እንተ ሓፈሩስ፥ ንዅሉ ምስላን ስርዓታን ምእንቲ ኽሕልውዎን ክገብርዎን፥ ምስሊ እታ ቤት ኣሰራርዓዓን ነቲ መውፅኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፥ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕግጋታን ኣፍልጦም፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከዓ ፀሓፎ።</verse>
				<verse number="12">ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመት እዙይ እዩ፤ እታ እመት ከዓ እመትን ስድርን እያ፤ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ብዘሎ ዙርያ ኸፈፉውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ፤ እዙይ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ካብቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ፥ ኣርባዕተ እመት ወርዱውን ሓደ እመት እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፤ ካብቲ መአጐዲ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸዓ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ናይ መሰውኢ መአጐዲ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተ ኽልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዓሰርተ እመት እዩ፤ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ሕዳግ ከዓ በርባዕተ ወገኑ፥ ምንዋሑ ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት፥ ወርዱውን ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ፤ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸፈፍ ድማ ፈረቓ እመት፥ እግሩ ኸዓ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ፤ ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገፁ እዩ።</verse>
				<verse number="18">በለኒ ድማ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብኡ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ደም ከዓ ኣብኡ ኽነፅጉስ፥ በቲ ዝስርሐሉ መዓልቲ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’</verse>
				<verse number="20">ንስኻ ድማ ኻብቲ ደሙ ኽትወስድ፥ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን፥ ኣብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን፥ ኣብቲ ኸፈፉን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፤ በዝ ኸምዙይ ክተፅርዮን ክተተዓርቖን ኢኻ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፤ ኣብ ወፃኢ መቕደስ፥ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኽቃፀል እዩ።</verse>
				<verse number="22">ብኻልኣይ መዓልቲ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክተቕርብ ኢኻ፤ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘፅረይዎ፥ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ምፅራዩ ምስ ፈፀምካ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ፥ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዘይብሉ ማጕላ ኽተቕርብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክተቕርቦ ኢኻ፤ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ሸውዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዲበላ ኽተቕርብ ኢኻ፤ ጕድለት ዘይብሎም ዝራብዕን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ማጕላን ክስውኡ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎን ከንፅህዎን ክቕድስዎን እዮም።</verse>
				<verse number="27">እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="44">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወፃኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ዕፅውቲ ኸዓ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፥ እዛ ደገ እዚኣ ዕፅውቲ ትኹን፤ ኣይትከፈት ሰብውን ኣይእተዋ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብዕፅውታ ትንበር።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሓለቓ ድማ ኸም ሓለቓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዕ ኣብኣ ኽቕመጥ እዩ፤ ንሱ ብመንገዲ ደገ እታ ገበላ ኽአቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ድሕሪዙይ ድማ ብመንገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፥ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምፅአኒ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ ኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዅሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኵሉ ሕግጋታን ዝነግረካ ዘለኹ፥ ልብኻ ኣውድቐሉ፤ በዒንትኻ ድማ ተመልከቶ፤ በእዛንካውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን፥ ንዅሉ መውፅኢ እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህለሉ።</verse>
				<verse number="6">“ነዞም ዓመፅቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ኣቱም ቤት እስራኤል ኵሉ ርኽሰትኩም ይእኸልኩም።</verse>
				<verse number="7">እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።</verse>
				<verse number="8">ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፥ ልቡ ዘይተገርዘ፥ ስጋኡውን ዘይተገርዘ፥ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።”</verse>
				<verse number="10">እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፥ ንጣዖታቶም ክስዕቡ ኻባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን ግና፥ ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="13">“ንሳቶም ድማ ነውሮምን፥ ነቲ ዝገበርዎ ፅያፎምን ደኣ ኽፆሩ እዮም እምበር፥ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፥ ናብቲ እተቐደሰ ነገረይ፥ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ነገር፥ ናባይ ኣይቐርቡን እዮም።</verse>
				<verse number="14">ንዅሉ ስራሓን፥ ነቲ ኣብኣ ዝግበር ኵሉን፥ ሓለውቲ እታ ቤት ክኾኑ ኽሓርዮም እየ።”</verse>
				<verse number="15">“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ብደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ክኣትዉ እንተለዉ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም፤ ኣብ ደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድን፥ ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ እንተለዉ ዝኾነ ናይ በጊዕ ጨጉሪ ኣይኽደኑን እዮም።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ሻሽ ክጥምጥሙ፥ ኣብ ሕቘኦምውን ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ስረ ኽዕጠቑ፥ ዘርህፅ ነገር ኣይዕጠቑን እዮም።</verse>
				<verse number="19">ናብ ወፃኢ ዓፀድ፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ህዝቢ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቕድስዎስ፥ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውፅእዎ፥ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከዓ ኸንብርዎ፥ ካልእ ክዳውንቲ እውን ክኽደኑ እዮም።</verse>
				<verse number="20">“ነቲ ፀጕሪ ርእሶም፥ በብሓፂሩ ደኣ ኽቘርፅዎ እዮም እምበር፥ ርእሶም ኣይላፅዩን፤ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ካህን ዝኾነ ዅሉ፥ ናብቲ ውሽጢ ዓፀድ ክአቱ እንተሎ ወይኒ ኣይሰትን እዩ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም።</verse>
				<verse number="23">“ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ምጕት ፈራዶ ኾይኖም ክቖሙ፥ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከዓ ኽፈርዱ እዮም፤ ብዅሉ በዓላት ዓመተይ፥ ንሕግጋተይን ንስርዓተይን ክሕልዉ፥ ሰናብተይውን ክቕድሱ እዮም።</verse>
				<verse number="25">“ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ።</verse>
				<verse number="27">በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="28">“ርስቲ ይኹኖም፤ ኣነ እየ ርስቶም፤ ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሃብዎም፤ ግደኦም ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="29">ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።</verse>
				<verse number="30">ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይ ካብ ከፍቲ ባዕሉ ሞይቱ ዝበኸተን ወይ ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብልዑ” ድማ በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="45">
				<verse number="1">እምበኣርከስ ነታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮነኩም፥ ብዕፃ ኽትማቐልዋ እንተለኹም፥ ካብታ ምድሪ እተቐደሰ ኽፍሊ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ክተቕርቡ ኢኹም፤ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፥ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="2">ካብዙይ ድማ ኣርባዕተ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝኾነ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፥ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያኣ፥ ጥራሑ ኻብ ዝነብር ቦታ ኽውሰኻ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ካብዝ ልኩዕ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት፤ ኣብኣ እታ መቕደስ ቅድስተ ቅዱሳን ትኹን።</verse>
				<verse number="4">እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፥ ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ዝቐርቡ ኻህናት ክትከውን እያ፤ ነባይቶም ስፍራ፥ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="5">ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ነቶም ኣብታ ቤት ዘገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት፥ ንርስቶም ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="6">ንርስቲ እታ ኸተማ ኸዓ ኣብ ኣንፃር እታ ዝወፈኹምዋ መባእ፥ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መድቡ፤ እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ሓለቓ ድማ፥ በዙይን በቱይን እታ ቅዱስ መባእ ኮይና እተወፈየት ምድርን፥ ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንፅር እታ እተቐደሰት መባእን፥ ኣብ መንፅር ርስቲ እታ ኸተማን፥ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ምብራቓ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ክኸውን እዩ፤ ምንዋሓ ኸዓ ኻብ ወሰን ምዕራብ ሒዙ፥ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ኣሕሉቕ ከዓ፥ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፥ ድሕሪዙይ ንህዝበይ ኣይገፍዕዎምን፤ እዚኣስ ምድሩ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ርስቱ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ደጊም ይእኸልኩም፤ ዓመፃን ብዝበዛን ሕደጉ፤ ቅንዕናን ፅድቅን ግበሩ፤ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="10">“ሓቀኛ ሚዛን፥ ሓቀኛ ኢፍ፥ ሓቀኛ ናይ ባዶስ መስፈሪ ይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="11">“ናይ ኢፍን ናይ ባዶስን ልክዑ ማዕረ ይኹን፤ እቲ ናይ ባዶስ መስፈሪ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ፥ እቲ ኢፍ ከዓ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ ይኹን፤ እቲ ቆሮስውን እተለክዐ ይኹን።</verse>
				<verse number="12">“ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ ዝሕዝ ይኹን፤ እቲ ምናን ከዓ፥ ዕስራ ሰቕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ሰቕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ፥ ምናን ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="13">“እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዙይ እዩ፤ ካብ ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ስርናይ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ መስፈሪ ስገም ድማ፥ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ ወፍዩ።</verse>
				<verse number="14">“ናይ ዘይቲ ሕጊ፥ ናይቲ ባዶስ ዘይቲ ኸዓ እዙይ እዩ፤ ዓሰርተ ባዶስ፥ ሓደ ቆሮስ እዩ እሞ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ ዓስራይ ኣፍ ባዶስ ይወፈ፤ እቲ ቆሮስ ድማ፥ ዓሰርተ ባዶስ ዝሕዝ ቆሮስ እዩ።</verse>
				<verse number="15">“ንኣኣቶም ዝኸውን መቤዘዊ ንምግባር፥ ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንመስዋእቲ ምስጋናን፥ ካብቲ ማይ ዘለዎ መውፈሪ እስራኤል፥ ካብ መጓሰ ኻብ ክልተ ሚእቲ፥ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="16">“ብዅሎም ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ነዝ መባእ እዙይ፥ ነቲ ሓለቓ እስራኤል ክህብዎ ይግብኦም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ሓላፍነት እቲ ሓለቓ፥ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን፥ ብዅሉ በዓላት ዓመት ቤት እስራኤልን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ መስዋእቲ መስተን ክውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መቤዘዊ ምእንቲ ኽገብረሎም፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርብ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ንስኻ ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፥ ነታ መቕደስ ክተንፅሃ ኢኻ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኻህን ድማ፥ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ክወስድ፥ ኣብ ልዳት እታ ቤትን፥ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋት መሰውእን፥ ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድን ክነፅግ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ብሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፥ ስለ እቲ ዝበደለን፥ ስለ እቲ ብገርሁ ዝሰሓተን፥ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ፤ ነታ ቤትውን ከምኡ ኽትቢዘውዋ ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">“በታ መጀመርታ ወርሒ ኻብታ ወርሒ፥ ከዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፤ ቅጫውን ክትበልዑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ሓለቓ፥ ብናይ ርእሱን ብናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ምድርን፥ ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="23">በዘን ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ድማ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን፥ ኣብ ፀፅባሕ እዘን ሸውዓተ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ከዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዲበላ ኸቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ማጕላ ከዓ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="25">“ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ በዝ በዓል እዙይ ሸውዓተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ምስ ዘይቲ ኸምኡ የቕርብ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="46">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ሓለቓ ከዓ፥ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወፃኢ ኽኣቱ፥ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ፤ ካህናት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፤ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፥ ድሕሪዙይውን ክወፅእ እዩ፤ እታ ደገ ግና ኽሳዕ ምሸት ኣይትዕፆን እያ።</verse>
				<verse number="3">ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ኾይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሓለቓ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ይኹን።</verse>
				<verse number="5">መስዋእቲ ብልዒ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ ሓንቲ ኢፍ፥ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ጡበታት ድማ፥ ከም ርካቡ ክኸውን፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኽህልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕን፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን፥ ሓደ ማጕላን ከቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸዓ መስዋእቲ ብልዒ፥ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበት ከም ርካቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍ ኸዓ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሓለቓ ኽኣቱ እንተሎ፥ ብገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክውፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="9">“ህዝቢ እታ ምድሪ፥ በተን ዓበይቲ፥ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ እቲ ኽሰግድ ኢሉ በደገ ሰሜን ዝኣተወ፥ ብደገ ደቡብ ክወፅእ እዩ፤ እቲ ብደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ፥ ብደገ ሰሜን ክወፅእ እዩ፤ በታ ኣንፃራ ደኣ ኽወፅእ ኣለዎ እምበር፥ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይምለስን እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሓለቓ ኸዓ፥ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ኽኣቱ፥ ንሳቶም ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ምስኣቶም ክወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ብበዓላትን ብመዓልቲ ኽብረ በዓላትን፥ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ማጕላ ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበታትውን ከም ርካቡ፥ ነንሓደ ኢፍ ኸዓ፥ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።</verse>
				<verse number="12">“እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ።</verse>
				<verse number="13">“ጐደሎ ዘይብሉ ናይ ዓመት ጡበት ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ንእግዚኣብሄር ክተቕርበሉ ኢኻ፤ መዓልቲ መዓልቲ ኽተቕርብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ምስ ናይዝ መስዋእቲ ብልዒ፥ ሻድሻይ ኣፍ ኢፍ፥ መለስለሲ እቲ ሕሩጭ ከዓ፥ ሳልሳይ ኣፍ ኢን ዘይቲ፥ ንግሆ ኽተቕርብ ኢኻ፤ እዝ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዙይ፥ ንሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ሓለቓ ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህብቶ እንተ ሃቦ፥ ርስቱ እዩ፤ እዙይ ንደቁ ይኹን፤ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኻብቲ ርስቱ መቒሉ፥ ውህብቶ እንተ ሃቦ ግና፥ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ፥ ናቱ ትኹን፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብቲ ሓለቓ ትመለስ፤ ርስትነቱ ድማ ንደቁ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ሓለቓ ከዓ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም፤ ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፥ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።”</verse>
				<verse number="19">ድሕሪዙይ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዝሪኣ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ፥ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኣብቲ ወሰኑ፥ ንምዕራብ ኣቢሉ ዝርኢ ቦታ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ንምቕዳስ፥ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ከየውፅእዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደልን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዘብስሉሉ፥ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክቱሉ ቦታ እዙይ እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="21">ናብ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን እታ ዓፀድ ከዓ ኣዞረኒ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ ዓፀድ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ፥ እተቘፀራ ዓፀዳት ነበራ፤ ምንዋሐን ኣርብዓ እመት፥ ወርደን ከዓ ሰላሳ እዩ፤ እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝን ልክዐን ሓደ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ዙርያአን፥ ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲአን ከዓ መንደቕ ነበረ፤ ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ፥ መብሰሊ ተሰሪሕዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">እዚኣተን ከዓ “እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት፥ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዘብስሉለን እየን” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="47">
				<verse number="1">ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪዙይ ብመንገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውፅአኒ፤ ብመንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፥ ናብታ ኣብ ወፃኢ ዘላ ደገ ብወፃኢ ኣዞረኒ፤ እንሆ ኸዓ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ።</verse>
				<verse number="4">መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ።</verse>
				<verse number="5">ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ትርኢዶ ኣለኻ?” በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፤ ናብ ወሰን እቲ ውሕጅ ድማ መለሰኒ።</verse>
				<verse number="7">ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ።</verse>
				<verse number="8">በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ክኸውን ድማ እዩ፥ ኣብቲ እዝ ውሕጅ እዙይ ዝበፅሖ፥ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ፥ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ዓሳታት ከዓ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም፤ እዚ ማያት እዙይ ክኣትዎ እዩ እሞ፥ እቲ ማያት ባሕሪ ኽፍወስ እዩ፤ እቲ ውሕጅ ኣብ ዝኣተዎ ድማ፥ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="10">ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና፥ ጨው ኮይኑ ኽነብር እዩ እምበር፥ ኣይፍወስን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="15">“ወሰናት እታ ምድሪ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ፥ በታ መንገዲ ሔትሎን ኣቢሉ ክሳዕ ፅዳድ፥</verse>
				<verse number="16">ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት ቤሮታ ሲብራይም፥ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓፃር ሓቲኮን።</verse>
				<verse number="17">እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።</verse>
				<verse number="18">“ብወገን ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም፤ እዙይ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።</verse>
				<verse number="19">“እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።</verse>
				<verse number="21">“ነዛ ምድሪ እዚኣ፥ ከከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ።</verse>
				<verse number="22">ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ክኸውን ድማ እዩ፥ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፥ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="48">
				<verse number="1">ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብን ንዳን ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ወሰን ዳን ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ወሰን ኣሴር ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ወሰን ሮቤል ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን፤ ወርዱ ዕስራን ሓሙሽተን እመት፥ ምንዋሑ ኸዓ ኻብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን፤ እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእኸሉ ትኹን።</verse>
				<verse number="9">እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን።</verse>
				<verse number="10">እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ንምዕራብ ከዓ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንደቡብ ከዓ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ፤ እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእኸላ ትኹን።</verse>
				<verse number="11">እዚኣ ነቶም፥ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሕቱ እንተለዉ፥ ከምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሓቱ ዝተቐደሱ፥ ንኣገልግሎተይውን እተሓረዩ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ትኹን።</verse>
				<verse number="12">እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፥ የመና ቅድስቲ ዝኾነት መባእ ምድሪ፥ ንኣኣቶም መባእ ትኹነሎም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከዓ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን፤ ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ።</verse>
				<verse number="14">እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት እያ እሞ፥ ካብኣ ኣይሽጡ ኣይለውጡውን፤ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ፥ ናብ ካልእ ኣይትሕለፍ።</verse>
				<verse number="15">እታ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ፥ ካብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና፥ ነታ ኸተማ ንሓባራዊ ጉዳይ ዝውዕልን ንመንበሪን ንመውፈሪን ይኹን፤ እታ ኸተማውን ኣብ ማእኸሉ ትኹን።</verse>
				<verse number="16">ልክዓ ኸዓ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ፥ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን።</verse>
				<verse number="18">እታ ተረፍ ናይቲ ምንዋሕ ብኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ፥ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፤ እዚኣ ኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ እያ፤ እቶታውን ምግቢ እቶም ሰራሕተኛታት እታ ኸተማ ይኹን።</verse>
				<verse number="19">እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝኾኑ ኣብታ ኸተማ ዝሰርሑ ኸዓ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ።</verse>
				<verse number="20">እታ መባእ ኵላዅላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን፤ ንርስቲ እታ ኸተማ ዝኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ዝተረፈ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ በዙይን በቱይን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፥ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፥ ኣብ ምዕራብ ከዓ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዘብል፥ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ይኹና። ካብቲ ኣብ ማእኸል ናይ ሓለቓ ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን።</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ፥ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ወሰን ብንያም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ወሰን ስምኦን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንይሳኮር ይኹን።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ወሰን ይሳኮር ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኹን።</verse>
				<verse number="27">ኣብ ወሰን ዛብሎን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ወሰን ጋድ ድማ፥ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ ክሳዕ እቲ ሩባ ግብፂ፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።</verse>
				<verse number="29">እታ ንነገዳት እስራኤል ዕፃ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፤ እተን ግዴታታት ከዓ እዚኣተን እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።</verse>
				<verse number="30">መውፅኢታት እታ ኸተማ ድማ እዙይ እዩ፤ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ።</verse>
				<verse number="31">ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ፥ ብስም ነገዳት እስራኤል ይፀውዓ፤ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፥ ደገ ሮቤል ሓንቲ፥ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፥ ደገ ሌዊ ሓንቲ።</verse>
				<verse number="32">ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፥ ደገ ብንያም ሓንቲ፥ ደገ ዳን ሓንቲ።</verse>
				<verse number="33">ብወገን ደቡብ ከዓ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፤ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ስምኦን ሓንቲ፥ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፥ ደገ ዛብሎን ሓንቲ።</verse>
				<verse number="34">ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ጋድ ሓንቲ፥ ደገ ኣሴር ሓንቲ፥ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="27">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ንጉስ ከዓ ንኣስፋኔዝ ሓለቓ ስሉባት፥ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ዓሌት ንጉስን፥ ካብ ወለዶ መሳፍንትን መናእሰይ ዝኾኑ ሓርዩ ኸምፅአሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶምውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምግልጋል ዝኽእሉ፥ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣወዳት እዮም። ኣብ ሰብነቶም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ምልኩዓት፥ ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልቲ፥ ዝኾነ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኽእለት ዘለዎም፥ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎም ክኾኑ ኸም ዘለዎም፥ ናይ ባቢሎን መፃሕፍትን ቋንቋን ከዓ ኽምህርዎም ከም ዘለዎም ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ማእኸል እዚኣቶም ድማ ኻብ ደቂ ይሁዳ፥ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም።</verse>
				<verse number="8">ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንዳንኤል፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ።</verse>
				<verse number="10">ግና እቲ ሓለቓ ስሉባት ንዳንኤል “መብልዕኹምን መስተኹምን ንዝኣዘዘልኩም ንጐይታይ ንጉስ እፈርሕ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ካብቶም ብዕድመ መሓዙትኩም ዝኾኑ መናእሰይ፥ ገፅኩም ዓቢሩ እንተ ተረኽበ፥ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕፅዕዋ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥</verse>
				<verse number="12">“እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ደሓር ገፅናን ገፅ እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑን ረአየና፤ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱውን ነዝ ሓሳብ እዙይ ተቐቢሉ፥ ዓሰርተ መዓልቲ ተዓዘቦም።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፥ ካብ ኵሎም እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑ መናእሰይ፥ ገፆም በሪሁን ሰብነቶም ፀቢቑን ተርኣየ።</verse>
				<verse number="16">ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እታ ንጉስ ናብኡ ኽኣትዉላ ኢሉ ዝወሰና መዓልቲ ምስ በፅሐት፥ እቲ ሓለቓ ስሉባት ነቶም መናእሰይ ናብ ቅድሚ ናቡከደነፆር ኣእተዎም።</verse>
				<verse number="19">እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም።</verse>
				<verse number="21">ዳንኤል ድማ ኽሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብኡ ፀንሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ “ሕልሚ ሓሊመስ ሕልሙ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንጉስ ከዓ “ነገሩ ኻባይ ርሒቑ እዩ፤ እቲ ሕልሚ ረሲዐዮ እየ፤ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ዘይነጊርኩምኒ፥ ክትስየፉ ኢኹም፤ ኣባይትኹም ድማ መደርበዪ ጓሓፍ ክኾና እየን” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="6">“ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፥ ውህብቶን ሽልማትን ዓብዪ ኽብርን ካባይ ክትቕበሉ ኢኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ትርጕሙውን ኣፍልጡኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ድማ መሊሶም “ንጉስ፥ ንኣና ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፤ ንሕናውን ትርጕሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ከለውዳውያን ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ንጉስ ዝጠየቖ ጥያቐ፥ ክምልስ ዝኽእል ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይርከብን። ንጉስ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እንተ ኾነ እኳ ንዝኾነ ጠንቋላይ፥ ኣስማተኛ ወይ ኮኸብ ቈፃሪ ጠይቑ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንጉስ ዝጥይቖ ዘሎ ነገር የመና ዘሸግር እዩ። ኣብ ማእኸል ሰብ፥ ካብ ዘይነብሩ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኑ ንንጉስ ክገልፀሉ ዝኽእል የለን” በልዎ።</verse>
				<verse number="12">እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="13">ንጠቢባንውን ክቐትሉ ጀመሩ፤ ንዳንኤልን ነቶም ብፆቱን ከዓ ኽቐትሉዎም ይደልዩዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ዳንኤል፥ ነቲ ንጠንቈልቲ ባቢሎን ክቐትሎም ዝተኣዘዘ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፥ ንኣርዮክ ብጥበብን በኣእምሮን ተዛረቦ።</verse>
				<verse number="15">ዳንኤል ንኣርዮክ፥ ነቲ ናይ ንጉስ ሓለቓ ሰራዊት “እዝ ብርቱዕ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ንጉስ ስለ ምንታይ ወፀ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣርዮክ ድማ ንዳንኤል እቲ ዝኾነ ኣፍለጦ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪዙይ ዳንኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፥ ንመሓዙቱ ንኣናንያን ንሚሳኤልን ንኣዛርያስን፥ ነቲ ነገር ገለፀሎም።</verse>
				<verse number="18">ዳንኤልን ብፆቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይቕተሉ፥ ብዛዕባ እዙይ ኣምላኽ ሰማይ፥ ምሕረት ንኽገብረሎምን ምስጢሩውን ንኽገልፀሎምን ንኽፅልዩ ኣፍለጦም።</verse>
				<verse number="19">በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።</verse>
				<verse number="20">ከምዙይውን በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።</verse>
				<verse number="22">ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።</verse>
				<verse number="23">ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፥ ነቲ ሕልሚ ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፥ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፥ ሕዚ እውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለፅካለይ፥ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ዳንኤል፥ ናብቲ እቲ ንጉስ፥ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፤ ኣትዩ ኸዓ “ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፤ ናብ ንጉስ ድማ ውሰደኒ፤ ኣነውን ትርጉም እቲ ሕልሚ ንንጉስ ክነግሮ እየ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ኣርዮክ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ “ኦ ንጉስ እንሆ፥ ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ፥ ንኣኻ ንንጉስ ትርጉም ሕልምኻ ኽገልፅ ዝኽእል ሰብ ረኺበ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብልጣሶር ዝተብሃለ ዳንኤል “ነቲ ዝረአኽዎ ሕልምን ትርጕሙን፥ ክትነግረኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን።</verse>
				<verse number="28">ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="29">“ኦ ንጉስ፥ ብዛዕባ ድሕሪዙይ ዝኸውን፥ ኣብ ምድቃስካ እንተለኻ ትሓስብ ነበርካ። እቲ ምስጢራት ዝገልፅ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝኸውን ነገር ኣፍለጠካ።</verse>
				<verse number="30">እዝ ምስጢር እዙይ ንኣይ ዝተገልፀለይ፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ ጥበብ ስለ ዘለኒ ኣይኮነን፤ ንስኻ ትርጕሙ ምእንቲ ኽትፈልጥ እሞ፥ እቲ ብልብኻ እተሰላስሎ ዝነበረ ነገር፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትርዳእ እዩ።</verse>
				<verse number="31">“ኦ ንጉስ፥ እንሆ፥ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ረአኻ፤ እዝ ገዚፍን ዘንፀባርቕን ዓብዪ ምስሊ ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሙ ረአኻ፤ ትርኢቱውን ዘገርምን ዘፍርሕን ነበረ።</verse>
				<verse number="32">እዝ ምስሊ እዙይ፥ ርእሱ ፅሩይ ወርቂ፥ ደረቱን ቀላፅሙን ብሩር፥ ከብዱን ሕቘኡን ከዓ ነሃስ ነበረ።</verse>
				<verse number="33">መሓውሩ ሓፂን፥ ኣእጋሩ ኸዓ ገሊኡ ሓፂን፥ ገሊኡ ብመሬት ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ክትጥምት እንተለኻ፥ እንሆ፥ ኢድ እንተይነኽኦ እምኒ ተፈንቂሉ ወረደ፤ ነቲ ሓፂንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር ድማ፥ እቲ ምስሊ ወቒዑ ሓምሸሾ።</verse>
				<verse number="35">ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።</verse>
				<verse number="36">“እቲ ሕልሚ እዙይ እዩ፤ ትርጕሙ ኸዓ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንናገር ኢና።</verse>
				<verse number="37">ኦ ንጉስ፥ እቲ ኣምላኽ ሰማይ፥ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሃበካ፥ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="38">ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።</verse>
				<verse number="39">ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ራብዓይ መንግስቲ፥ ኵሉ ነገር ከም ዝቕጥቅጥን ከም ዝሰባብርን ሓፂን፥ ብርቱዕ ዝኾነ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ሓፂን ንዅሉ ሰባቢሩ ኸም ዘድቅቕ፥ ቅድሚኡ ንዝነበሩ ዅሎም ሰባቢሩ ኸድቅቖም እዩ።</verse>
				<verse number="41">ከምቲ ኣእጋሩን ኣፃብዕቱን፥ ፍርቁ ሓፂን ፍርቁ ሻኽላ ኾይኑ ዝረአኻዮ፥ ከምኡ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ክኸውን እዩ፤ ግና ኸምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ ክፋሉ ሓይሊ ሓፂን ክህልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="42">ከምቲ ኣፃብዕቲ ኣእጋሩ ኽፋሉ ሓፂን፥ ክፋሉ ኸዓ ሻኽላ ዝነበረ፤ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ኽፋሉ ወገን ብርቱዕ፥ ክፋሉ ድማ ድኹም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="43">ከምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ እቲ ህዝቢ ሕውስዋስ ክኸውን እዩ። ከምቲ ሓፂን ምስ ሻኽላ ዘይላገብ፥ ከምኡ ንስንሳቶም ኣይላገቡን እዮም።</verse>
				<verse number="44">ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።</verse>
				<verse number="45">ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”</verse>
				<verse number="46">ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ፤ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="47">እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="48">ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።</verse>
				<verse number="49">ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ።</verse>
				<verse number="2">ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥</verse>
				<verse number="5">ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ኵሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢልኩም ስገዱሉ።</verse>
				<verse number="6">ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="8">በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።</verse>
				<verse number="9">ንንጉስ ናቡከደነፆር ከዓ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ።</verse>
				<verse number="11">ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን፥ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ ኸዓ ኣዘዝካ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ናቡከደነፆር ሓሪቑን ተቘጢዑን፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከምፅእዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ።</verse>
				<verse number="14">ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ?</verse>
				<verse number="15">ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="17">ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="20">ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ፀዊዑ ኸዓ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣሲሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርብይዎም ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ትእዛዝ ንጉስ ህፁፅ ስለ ዝነበረን፥ እቲ እቶን ድማ የመና ረሲኑ ስለ ዝነበረን፥ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝደርበይዎም ሰባት እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ቐተሎም።</verse>
				<verse number="23">ሰለስቲኦም ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ግና ብእሱሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል ሓዊ ወደቑ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር ተደነቐ፤ ቀልጢፉውን ተስአ፤ ንኣማኸርቱ ድማ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮም ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ንንጉስ “ኦ ንጉስ ሓቂ እዩ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።</verse>
				<verse number="27">እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።</verse>
				<verse number="28">ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”</verse>
				<verse number="29">“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="30">ድሕሪዙይ እቲ ንጉስ፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን፥ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ልዕል ልዕል ኣበሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።</verse>
				<verse number="2">እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤ ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤ ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።</verse>
				<verse number="4">“ኣነ ናቡከደነፆር ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፥ ኣብ ኣዳራሸይውን ደስ ኢሉኒ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="5">ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ኵላቶም ጠቢባን ባቢሎን፥ ናባይ መፂኦም ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸፍልጡኒ ኣዘዝኩ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="8">ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ፥ ብልጣሶር ተብሂሉ ዝተሰምየ፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ናባይ መፀ። ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዙይ ኢለ ተዛረብኩ፦</verse>
				<verse number="9">ኣታ ሊቀ ጠቢባን ብልጣሶር፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘለካን፥ ዘይትፈልጦ ምስጢር ከዓ ኸም ዘየለን እፈልጥ እየ እሞ፥ እቲ ዝረአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጕሙን ንገረኒ።</verse>
				<verse number="10">“እቲ ኣብ ምድቃሰይ እንተለኹ ዝረአኽዎ ራእይ ከምዙይ እዩ፦ እንሆ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኦም ረአኹ፤ ቁመቱ ኸዓ የመና ነዊሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ኦም ዓበየ፤ በርትዐውን። ቁመቱ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ መልክዑውን ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይረአ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ቈፅሉ ፅቡቕ ነበረ፤ ፍረኡ ኸዓ ንዅሉ ኽምግብ ዝኽእል ብዙሕ ነበረ። እንስሳ ዘገዳም ኣብ ትሕቲኡ የፅልሉ ነበሩ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብ ጨናፍሩ ጐጆአን ሰሪሐን ነበራ። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ድማ ኻብኡ ይምገብ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">“ኣብ መደቀስየይ ብባዕለይ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ወረደ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ።</verse>
				<verse number="15">ግና ነቲ ጕማድ ምስ ሰራውሩ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብ ማእኸል ልምሉም ሳዕሪ በረኻ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ‘ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ብፅሒቱ ኣብ ውሽጢ ሳዕሪ ምድሪ ምስ ኣራዊት ይኹን።</verse>
				<verse number="16">ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፤ ልቢ እንስሳ ኸዓ ይወሃቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ድማ ይሕለፎ።</verse>
				<verse number="17">እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’</verse>
				<verse number="18">“ኣነ ንጉስ ናቡከደነፆር እቲ ዝረአኽዎ ሕልሚ እዙይ እዩ። ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብልጣሶር፥ ንስኻ ግና፥ መንፈስ ናይቶም ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፥ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፥ ትርጕሙ ንገረኒ።”</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ። ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="20">እቲ የመና ዓቢይን ጠንኪሩን ዝረአኻዮ ኦም፥ ቁመቱውን ክሳዕ ሰማይ በፂሑ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን ዝተርኣየ፥</verse>
				<verse number="21">ቈፅሉ ዝፀበቐ፤ ፍረኡ ዝበዝሐ፥ ንዅሉ ዝኸውን፥ ምግቢ ዝነበሮ፥ ንኣራዊት በረኻ መፅለሊ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ጨናፍሩ ነዕዋፍ ሰማይ መስርሒ ጐጆ ዝነበሮን ኦም፥</verse>
				<verse number="22">“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ።</verse>
				<verse number="23">ኦ ንጉስ፥ ንስኻ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኻ። ንሱ ኸዓ ‘ነታ ኦም ቍረፅዋን ኣብርስዋን፥ ግና ነቲ ጕንዲ ብመቝሕ ሓፂንን ነሃስን ኣሲርኩም፥ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ በረኻ፥ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፤ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዝሓልፎ፥ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፤ ምስ እንስሳ በረኻ ኸዓ ኣብ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን’ እንትብል ዝረአኻዮ ራእይ፥</verse>
				<verse number="24">“ኦ ንጉስ፥ ትርጕሙ እዙይ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ፥ ትእዛዝ ልዑል እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ምስ ሱሩ ኽተርፍ ምእዛዙ፥ ስልጣን ካብ ሰማይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፥ ሽዑ መንግስትኻ ኸም እትምለሰልካ የመልክት።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ናቡከደነፆር በፅሐ።</verse>
				<verse number="29">ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ባቢሎን ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቲ ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።</verse>
				<verse number="31">እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="33">እቲ ዅሉ ዝተነግረ፥ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ተፈፀመ፤ ፀጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፥ ኣፅፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዝነውሕ፥ ካብ ሰብ ተፈልዩ ተሰጐጐ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።</verse>
				<verse number="34">እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።</verse>
				<verse number="36">“በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለሰለይ፤ መንግስተይውን ምስ ኵሉ ኽብሩን ግርማኡን ዕቤቱን ተመለሰለይ። መማኽርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ። ኣነ ኸዓ ኣብ መንግስተይ ፀናዕኹ፤ ካብቲ ናይ ቅድምውን ዝበለፀ ኽብሪ ተወሰኸለይ።</verse>
				<verse number="37">“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ንጉስ ብልጣሶር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።</verse>
				<verse number="4">ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ።</verse>
				<verse number="7">ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ንጉስ ብልጣሶር የመና ደንገፀ፤ ገፁ ተለወጠ፤ መኳንንቱውን ተጨነቑ።</verse>
				<verse number="10">እታ ንግስቲ ኸዓ ድምፂ ንጉስን መኳንንቱን ሰሚዓ፥ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኣዳራሽ ኣተወት። ንሳ ድማ፦ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፤ ገፅካውን ኣይለወጥ።</verse>
				<verse number="11">መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።”</verse>
				<verse number="12">ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="14">“ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="16">ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ውህብቶኻ ንኣኻ ይኹን፤ ሽልማትካውን ንኻልእ ሃቦ። ኦ ንጉስ ነታ ፅሕፈት ግና ንኣኻ ንንጉስ ከንብበልካ፥ ትርጓሜኣውን ከፍልጠካ እየ።”</verse>
				<verse number="18">“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ።</verse>
				<verse number="21">ጐይታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸም ዝሸመሉ ኽሳዕ ዘስተውዕል፥ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐጐ፤ ልቡ ኸዓ ኸም ናይ እንስሳ ኾነ፤ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።”</verse>
				<verse number="22">“ንስኻ ብልጣሶር ወዱ ኸዓ፥ እዝ ዅሉ እናፈለጥካ፥ ልብኻ ኣየትሓትካን።</verse>
				<verse number="23">እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ከዓ እታ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዝፀሓፈት ኢድ ካብኡ ዝተልኣኸት እያ።</verse>
				<verse number="25">“እዛ ፅሕፍቲ ኸዓ ‘ማኔ፥ ማኔ፥ ቴቄል ፋሬስ’ እትብል ፅሕፈት እያ።</verse>
				<verse number="26">ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ።</verse>
				<verse number="27">‘ቴቄል’ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="28">‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።</verse>
				<verse number="30">በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ።</verse>
				<verse number="31">ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ እቶም ሰባት “ንዳንኤል ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪዙይ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ናብቲ ንጉስ ከይዶም “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።</verse>
				<verse number="7">ኵላትና ኣሕሉቕ መንግስትን ሹመኛታትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝፀለየ፥ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ኽትእዝዝ፥ ብርቱዕ ኣዋጅውን ክትእውጅ ሓቢርና መኺርና ኣለና።</verse>
				<verse number="8">ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="9">ንጉስ ዳርዮስ ድማ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣዋጅ ኣፅንዖ።</verse>
				<verse number="10">ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኺቦም ከይዶም፥ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኽፅልን ክምህለልን እንተሎ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቦም ንዳንኤል ከሰስዎ፦ “ኦ ንጉስ፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን፥ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝለመነ፥ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ እዩ፥ ኢልካዶ ኣዋጅ ኣይኣወጅካን ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። እቲ ንጉስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ ከምቲ ኽልወጥ ዘይከኣል፥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ፀኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ንጉስ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ጐሃየ፤ ንዳንኤል ምእንቲ ኸናግፎ ኸዓ ምኽንያት ደለየ፤ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብውን ከድሕኖ ፀዓረ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተመሊሶም “ኦ ንጉስ፥ እቲ ንጉስ ዘፅንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥ፥ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዝኾነ ፍለጥ” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ፤ ንዳንኤል ኣምፂኦም ከዓ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንዳንኤል “እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽ የናግፍካ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተመለሰ፤ ፆሙ ኸዓ ሓደረ፤ ዝብላዕውን ኣየምፅኡሉን። ድቃስ ድማ ኻብኡ ረሓቐ።</verse>
				<verse number="19">ንፅባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ።</verse>
				<verse number="20">ናብቲ ጕድጓድ ምስ በፅሐ፥ ንዳንኤል እናሕቘንቈነ ብድምፂ ሓዘን ፀውዖ፤ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፥ እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽስ፥ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ኽኢሉ?” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ እቲ ንጉስ እምብዛ ተሓጐሰ፤ ንዳንኤል ከዓ ኻብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ኣዘዘ፤ ኣውፅእዎውን። ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይረኸቦን።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንጉስ ከዓ፥ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ምስ ደቆምን ምስ ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ገና ኣብ ፍርቂ ጕድጓድ እንተይበፅሑ ድማ፥ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፤ ኵሉ ኣዕፅምቶምውን ሰባበሩ።</verse>
				<verse number="25">ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!</verse>
				<verse number="26">ንኣምላኽ ዳንኤል ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፥ ፍርሕዎን ኣኽብርዎን ኢለ እእዝዝ ኣለኹ። ንሱ ንዘለኣለም ዝነብር ህያው ኣምላኽ እዩሞ፤ መንግስቱ ኣይትጠፍእን እያ፤ ግዝኣቱውን መወዳእታ የብሉን።</verse>
				<verse number="27">ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”</verse>
				<verse number="28">እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤</verse>
				<verse number="2">ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።</verse>
				<verse number="9">ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።</verse>
				<verse number="12">ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወሰደ፤ ግና ብህይወት ክፀንሑ፥ ዘመንን ውሱን ጊዜን ተውሃቦም።</verse>
				<verse number="13">ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="14">ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ዳንኤል ኣብ ውሽጢ ስጋይ መንፈሰይ ደንገፀ፤ እቲ ራእያት ከዓ ርእሰይ ኣጨነቐኒ።</verse>
				<verse number="16">ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቕርብ ኢለ፥ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገልፀለይ ጠየቕክዎ። ንሱውን ትርጕም እቲ ነገር ገለፀለይ።</verse>
				<verse number="17">እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝትስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።</verse>
				<verse number="18">እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ።</verse>
				<verse number="20">ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ።</verse>
				<verse number="21">ክጥምት እንተለኹ ኸዓ እቲ ቐርኒ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኲናት ኣዊጁ ሰዓሮም።</verse>
				<verse number="22">እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “እቲ ራብዓይ ኣራዊት፥ እቲ ኻብ ኵሉ መንግስታት ፍሉይ ዝዓይነቱ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝለዓል ራብዓይ መንግስቲ እዩ። ንሱ ንዅላ ምድሪ ኽውሕጥን ክረግፅን እዩ።</verse>
				<verse number="24">እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸዓ፥ እቶም ካብዝ መንግስቲ እዙይ ዝትስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ፥ ካብቶም ቀዳሞት ዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ፥ ካልእ ክትስእ እዩ፤ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”</verse>
				<verse number="28">ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ብልጣሶር ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፥ ድሕሪ እቲ ቕድም ዝተገለፀለይ ራእይ ኣነ ዳንኤል ካልእ ራእይ ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።</verse>
				<verse number="3">ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት።</verse>
				<verse number="4">እቲ ማጕላ በጊዕ ድማ ንምዕራብ፥ ንሰሜን፥ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፤ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ግና ኣይነበረን፤ ካብ ኢዱ ኸናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፤ ዓብዪ ድማ ኾነ።</verse>
				<verse number="5">ነዙይ ከስተብህል እንተለኹ፥ እንሆ ዲበላ ጤል ካብ ምዕራብ፥ ምድሪ እንተይረገፀ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ መፀ። እዝ ዲበላ ጤል እዙይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዒንቱ ዓባይ ቀርኒ ነበረቶ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ።</verse>
				<verse number="7">ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ሓዲአን ከዓ ንእሽተይ ቀርኒ ወፀ፤ ንሱውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ሰናይ ምድርን ኣቢሉ የመና ዓበየ።</verse>
				<verse number="10">ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።</verse>
				<verse number="11">ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሰማይ እኳ፥ ርእሱ ልዕል ኣበለ፤ ነቲ ዅሉ መዓልቲ ናብኡ ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ ኣትረፎ፤ እታ ማሕደሩ ዝኾነት ቤተ መቕደስውን ፈረሰት።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሰራዊት፥ ምስ ናይ መዓልታዊ መስዋእቲ፥ ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝተውሃቦ። ንሱውን ንሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ኵሉ ዝገብሮ ኸዓ ሰለጦ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ረአኹ፥ ከስተውዕሎ ደለኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="17">ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።</verse>
				<verse number="19">ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ራእይ እዙይ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክኸውን ዘለዎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፥ ደሓር በቲ ዘመን ቍጥዓ እንታይ ከም ዝግበር ከፍልጠካ እየ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ዝረአኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ማጕላ፥ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።</verse>
				<verse number="23">“እዞም መንግስታት እዚኣቶም መወዳእታኦም ምስ በፅሐ፥ መስፈሪ በደሎም መሊኡ ዝቕፅዑሉ ጊዜ ምስ መፀ፥ ሓደ ጨካንን ክኢላን ተንኰለኛን ንጉስ ክለዓል እዩ።</verse>
				<verse number="24">ብሓይሉ ደኣ ኣይኮነን እምበር እምብዛ ኽብርትዕ እዩ፤ ዘስካሕክሕ ጥፍኣትውን ክገብር እዩ። ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ኽሰልጦ እዩ፤ ንሓያላት ሰባትን ንቅዱሳን ህዝብን ድማ ኸጥፍኦም እዩ።</verse>
				<verse number="25">ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ዳርዮስ ወዲ ኣርጤክስስ ሜዶናዊ፥ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ብመጀመርታ ዓመት፥</verse>
				<verse number="2">ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።</verse>
				<verse number="3">ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።</verse>
				<verse number="4">ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!</verse>
				<verse number="5">“ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።</verse>
				<verse number="7">ኦ ጐይታ፥ ፅድቂ ንኣኻ እዩ፤ ንኣና ግና ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ፥ ብሰንኪ እቲ ንኣኻ ዝበደልዎ በደሎም፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዋ ሃገራት፥ ፋሕ ዘበልካዮም ኵሎም እስራኤላውያን ዝበፅሐና ሕፍረት እዩ። እዙይ ከዓ ንሳቶም ንኣኻ ስለ ዝጠለሙ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና።</verse>
				<verse number="9">ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።</verse>
				<verse number="10">ንሕና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፤ ነቲ ብባሮትካ ነቢያት ጌርካ ዝሃብካና ሕጊ ኣይሓለናን።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እዝ ዅሉ መዓት ወረደና። ግና፥ ካብ ሓጢኣትና ኽንምለስ፥ ናብ ሓቅኻ ድማ ኽነቕልብ ኢልና እኳ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደለናን።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዅሉ ፃድቕ እዩ እሞ፤ ንሕና ግና ቓልካ ኣይሰማዕናን። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ነዝ መዓት እዙይ ኣምፃእኻልና፤ ኣብ ልዕሌና ኻብ ምምፃእውን ኣይትምለስን።</verse>
				<verse number="15">“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።</verse>
				<verse number="16">ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ኦ ኣምላኽና፥ እምበኣር ናይ ባርያኻ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ፤ ስለ ስምካ ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገፅካ ኣብርሀላ።</verse>
				<verse number="18">ኦ ኣምላኽ እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ስማዕ፤ ዓይንኻውን ቋሕ ኣብልሞ ምጥፋእናን፥ ስምካ ዝተፀውዐሉ ኸተማን ተመልከት፤ እቲ እነቕርቦ ልመና ስለ ፅድቅና ዘይኮነስ፥ ስለ እቲ ዓብዪ ምሕረትካ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።”</verse>
				<verse number="20">ኣነውን እናተናገርኩን እናፀለኹን፥ ናይ ባዕለይን ናይ ህዝበይ እስራኤል ሓጢኣትን እናተናዘዝኩ፥ ስለ እቲ ቅዱስ እምባ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ እምህለል ነበርኩ።</verse>
				<verse number="21">እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ መሃረኒ፤ ተዛረበኒውን፦ “ዳንኤል! ኣነ ሕዚ ጥበብን ምስትውዓልን ክህበካ መፂአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">ንስኻ የመና ዝተፈተኻ ስለ ዝኾንካ፥ ገና ፀሎት እንትትጅምር፥ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ፤ ኣነውን ክነግረካ መፂአ ኣለኹ። ስለዙይ ነዝ ነገር ኣቕልበሉ፤ ነዝ ራእይ እዙይውን ኣስተውዕሎ።</verse>
				<verse number="24">“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="25">እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="2">በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="3">እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን።</verse>
				<verse number="4">ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ፥ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ፈለግ ጤግሮስ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="5">ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ።</verse>
				<verse number="6">ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ።</verse>
				<verse number="9">ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ።</verse>
				<verse number="11">ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።</verse>
				<verse number="12">መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ።</verse>
				<verse number="14">እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።</verse>
				<verse number="15">ነዝ ቃላት እዙይ እናተናገረኒ እንተሎ፥ ገፀይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፤ በሃምውን ኮንኩ።</verse>
				<verse number="16">ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">“ኣነውን ዳርዮስ ሜዶናዊ ምስ ነገሰ በታ ቐዳመይቲ ዓመት፥ ንእኡ ንኽሕግዝን ንኸበርትዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ።</verse>
				<verse number="3">“ድሕሪኡ ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝእን፥ ኵሉ ዝደለዮ ዝገብርን፥ ብርቱዕ ንጉስ ክትስእ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።</verse>
				<verse number="5">“እቲ ንጉስ ደቡብ የመና ኽብርትዕ እዩ። ሓደ ኻብ ኣሕሉቑ ኸዓ፥ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ሓድነት ክፈጥሩ እዮም፤ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ፥ ስምምዕ ንምግባር፥ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመፅእ እያ፤ ግና ሓይሊ ቕልፅማ ኣይፀንዕን፤ ንሱን ቅልፅሙንውን ኣይፀንዕን፤ ንሳን እቶም ዘምፅእዋን፥ እቲ ዝወለዳን፥ እቲ በቲ ጊዜ እቱይ ዝደገፋን፥ ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ካብ ሱራ ዝወፀ ውልዶ፥ ኣብ ስፍራኡ ኽለዓል እዩ፤ ንሰራዊት ንጉስ ሰሜን ክወግኦም፥ ኣብ ዕርዶም ኣትዩ ድማ ኽስዕሮም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንኣማልኽቶም፥ ምስ ናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፥ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑኦም ማሪኹ፥ ናብ ግብፂ ኽወስዶ እዩ። ንቑሩብ ዓመታት ከዓ፥ ምስ ንጉስ ሰሜን እንተይተዋግአ ኽቕመጥ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱውን ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ደቁ ንውግእ ክዳለዉ፥ ብዙሕ ሰራዊትን ህዝብን ክእክቡ እዮም። ሓደ ኻብኣቶም ድማ ቐልጢፉ ኽመፅእ፥ ከም ውሕጅ ውሒጁ ኽሓልፍ ተመሊሱውን ክሳዕ እምባኡ ኽዋጋእ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን።</verse>
				<verse number="13">“እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="14">በቲ ዘመን እቱይ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ብዙሓት ክለዓሉ እዮም። ካብ ማእኸል ህዝብኻ ደቂ ዓመፀኛታት ነቲ ራእይ ከፅንዑ ኽትስኡ እዮም፤ ግና ኽወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ንጉስ ሰሜን ክመፅእ እዩ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸዓ ሓመድ ክድልድልን ክሕዛን እዩ፤ እቶም ናይ ደቡብ ሰራዊት ኣይዋግኡን እዮም፤ እቶም ሕሩያቶም እኳ፥ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝመፀ ግና ኸም ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምውን የለን። ንሱ ኣብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ብኢዱውን ብዙሕ ጥፍኣት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">“ምስ ኵሉ ሓይሊ መንግስቱ ገፁ ኸፅንዕ ክመፅእ እዩ። ምስኡውን ሓድነት ክገብር እዩ፤ ምእንቲ ኸርክሳ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳውን ኣይትፀንዕን፤ ንእኡውን ኣይትኸውንን እያ።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪዙይ ናብተን ደሴታት ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ንብዙሓት ከዓ ኽሕዘን እዩ። ሓደ ሓለቓ ግና ነቲ ፀርፉ ኸወግዶ እዩ፤ ናብ ባዕሉውን ክመልሰሉ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ናብ እምባታት ሃገሩውን ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ግና ተሰናኺሉ ኽወድቕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይርከብን እዩ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ብእኡ ዝትካእ፥ ክብሪ መንግስቱ ንምሕላው፥ ግብሪ ዘገብሩ ኽልእኽ እዩ፤ ይኹን እምበር ብቝጥዓ ወይ ብውግእ እንተይኮነ፥ ኣብ ውሽጢ ቑሩብ መዓልቲታት ክጠፍእ እዩ።”</verse>
				<verse number="21">“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዝውሕዝ ሰራዊትውን ካብ ቅድሚኡ ኽውሰድ እዩ፤ ንሱን ሓለቓ ቃል ኪዳኑን፥ ክስበሩ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ምስኡ ስምምዕ ምስ ገበረ፥ ብተንኰል ስራሑ ኽሰርሕ እዩ። ምስ ውሑዳት ሰባት ወፂኡ ድማ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ቀስ ኢሉ ድማ፥ ናብተን ልምሉማት ክፍልታት እታ ሃገር ክኣቱ እዩ፤ ኣቦታቱን ኣቦ ሓጐታቱን እኳ፥ ከቶ ዘይገበርዎ ኽገብር እዩ። ነቲ ዅሉ ኣብ ውግእ ዝማረኾን ዝዘመቶን ሃብቲ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ክብትኖ እዩ፤ ነተን ፅኑዓት ከተማታት ክዋግአን መደብ ከውፅእ እዩ። እዙይውን ንቑሩብ ጊዜ እዩ።</verse>
				<verse number="25">“ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ፥ ብዓብዪ ሓይልን ትብዓትን ክለዓል እዩ። ንጉስ ደቡብ ከዓ፥ ዓቢይን ብርቱዕን ሰራዊት ኣኽቲቱ ኽዋግኦ እዩ። ግና ኻብቲ ዝተፍሓሰሉ ሻራ ዝተልዓለ ኽቐውም ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ኣብ ማእዱ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ ከጥፍእዎ ኸሻርዉ እዮም፤ ካብ ሰራዊቱ ኽውሕጅ እዩ፤ ብዙሓትውን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም ክፉእ ክሓስቡ፥ ኣብ ሓንቲ ማእዲ ሓቢሮም ክቕመጡ እዮም፤ ንስንሳቶም ድማ ሓሰት ክዛረቡ እዮም። ግና እቲ ዝተመደበ ጊዜ ስለ ዘይበፅሐ፥ ኣይሰምረሎምን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ንጉስ ሰሜን፥ ምስ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ። ልቡውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ክኸውን እዩ፤ ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ናብ ምድሩ ኸዓ ኽምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="29">“በታ ምድብቲ ጊዜ ተመሊሱ ናብ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና በዝ ጊዜ እዙይ እቲ ዳሕረዋይ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኸውንን እዩ።</verse>
				<verse number="30">መራኽብ ኪቲም ክመፃኦ እየንሞ፥ ሓዚኑ ኽምለስ እዩ። “ሽዑ ቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ከውርድ እዩ። ነቶም ነቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ዝሓደጉ ድማ ኽሰምዖም እዩ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ሰራዊት ምስኡ ኽቖሙ እዮም፤ መቕደስን ቅፅሩን ድማ ኸርክሱ እዮም፤ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እውን ከውግዱ እዮም፤ ነቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ከቑሙ እዮም።</verse>
				<verse number="32">እቶም ነታ ኺዳን ዝጠለሙ፥ እናታለለ ኸስሕቶም እዩ፤ እቶም ንኣምላኾም ዝፈልጡ ህዝቢ ግና፥ ክብርትዑን ከስልጡን እዮም።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ዘለዉ ጥበበኛታት፥ ዝኾኑ ሰባት ንብዙሓት ክምህሩ እዮም። ግና ንቑሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ሓዊን ብምርኮን ብዘመተን ክወድቑ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ክወድቑ እንተለዉ ውሑድ ሓገዝ ክረኽቡ እዮም፤ ግና ብዙሓት ብግብዝና ኽተሓባበርዎም እዮም።</verse>
				<verse number="35">ክሳዕ ፍፃመ ዘመን፥ ምእንቲ ዝፀረዩን ዝነፀሩን ኣበር ዘይብሎምን ክኾኑ፥ ካብቶም ጠቢባን ሓድሓደ ኽወድቑ እዮም፤ እቲ ውሱን ጊዜ ገና ኣይበፅሐን እዩ።</verse>
				<verse number="36">“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="37">ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኽብሪ ኣይህብን፤ ነቲ ኣንስቲ ዝደልያኦ ኣይግደሰሉን። ንባዕሉ ልዕሊ ዅሉ ገይሩ ስለ ዝሓስብ፥ ኣምላኽ ንዝኾነ ዅሉ ኣየኽብርን።</verse>
				<verse number="38">ክንድኡ ንኣምላኽ እምባታት ከኽብር እዩ፤ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብክቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቑሑን ከኽብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="39">ብባዕዲ ኣምላኽ ተሓጊዙ፥ ነተን ፅኑዓት እምባታት ከምዙይ ክገብረን እዩ፤ ነቶም ንእኡ ዝግዝኡሉ፥ ክብሪ ኸብዝሐሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓትውን ከግዝኦም እዩ። ከም ዓስቢ ኸዓ፥ ነታ ምድሪ ክኸፋፍላ እዩ።</verse>
				<verse number="40">“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።</verse>
				<verse number="41">ናብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽኣቱ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኽወድቃ እየን፤ ግና ኤዶምያስን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ኣሞንን፥ ካብ ኢዱ ኸምልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="42">ኣብ ልዕሊ ሃገራት ድማ ኢዱ ኽዝርግሕ እዩ። ሃገር ግብፂውን ኣይተምልጥን እያ።</verse>
				<verse number="43">ንሱ ኣብቲ መዛግብቲ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣቕሓ ግብፅን ክስልጥን እዩ። ሊብያን ኢትዮጵያን ከዓ ኽስዕብዎ እዮም።</verse>
				<verse number="44">ግና ኻብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዝመፅእ ወረ ኸሸብሮ እዩ እሞ፥ ንብዙሓት ከጥፍእን ከፅንትን፥ ብዓብዪ ቝጥዓ ኽወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="45">ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።</verse>
				<verse number="3">እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።</verse>
				<verse number="4">“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”</verse>
				<verse number="5">ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።</verse>
				<verse number="8">ሰማዕኹ ድማ፥ ግና ስለ ዘየስተውዓልኩ “ጐይታይ፥ ናይዝ ኵሉ መወዳእታ እንታይ እዩ?” በልኩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት ሰባት ሰብነቶም ከፅርዩን ከፃዕድውን ክነፅሩን፥ ኣበር ዘይብሎምውን ክኾኑ እዮም። እቶም ክፉኣት ግና፥ ብኽፍኣቶም ክፀንዑ እዮም። ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕልዎ፥ እቶም ለባማት ጥራሕ እዮም እምበር፥ እቶም ክፉኣት ኣየስተውዕልዎን እዮም።</verse>
				<verse number="11">“እቲ መዓልታዊ መስዋእቲ ኻብ ዝተቛረፀሉን፥ እቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ዝትከለሉን ዘመን ጀሚሩ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኽሳዕ ዝሓልፋ፥ ዕጉስ ኮይኑ ዝፀንሕ ሰብ ምስጉን እዩ።</verse>
				<verse number="13">“ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="28">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ሆሴዕ ከዓ ኸይዱ ንጎሜር ጓል ዴቤላይም ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደትሉ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።</verse>
				<verse number="5">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ክሰባብሮ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’ ኢልካ ስም ኣውፅአላ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።</verse>
				<verse number="8">ጎሜር ንሎሩሃማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ ኢልካ ስመዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም።</verse>
				<verse number="2">ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።</verse>
				<verse number="3">እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።</verse>
				<verse number="4">ንደቃ ድማ ደቂ ምንዝርናኣ እዮም እሞ፥ ኣይምሕሮምን እየ።</verse>
				<verse number="5">እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ።</verse>
				<verse number="7">ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።</verse>
				<verse number="8">ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እኽለይ ብጊዜኡ፥ ወይነይ ከዓ ብወርሓቱ፥ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትሽፍነሉ ፀምረይን ሃረይን ድማ ኽቕንጥጣ እየ።</verse>
				<verse number="10">ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ።</verse>
				<verse number="12">ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።</verse>
				<verse number="15">ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።</verse>
				<verse number="16">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ “ሰብኣየይ” ኢልኪ ኽትፅውዕኒ ኢኺ፤ ካብ ደጊም ግና “በዓለይ” ኢልኪ ኣይትፅውዕንን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።</verse>
				<verse number="19">ንዘለኣለም ንኣይ ክትኮኒ ኽሕፀየኪ እየ፤ ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ።</verse>
				<verse number="20">ብእምነት ንኣይ ክትኮኒ ኽሓፅየኪ እየ፤ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር፥ ክትፈልጢ ኢኺ።</verse>
				<verse number="21">በታ መዓልቲ እቲኣ ኽምልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነ ንሰማይ ክምልሰሉ እየ፤ ሰማይውን ንምድሪ ኽምልሰላ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ምድሪ እውን ንእኽልን ንወይንን ንዘይትን ክትምልስ እያ፤ ዝናም ከዓ ንምድሪ ከጥልላ እዩ፤ እዚኣቶም ድማ ንኢይዝራኤል ክምልሱሉ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ኸዓ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩርን፥ ብዅንታልን ፈረቓን ስገም ዓደግክዋ።</verse>
				<verse number="3">“ብዙሕ መዓልቲታት ምሳይ ተቐመጢ፤ ኣይተመንዝሪ፤ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፤ ኣነውን ከምኡ ክኾነልኪ እየ” በልክዋ።</verse>
				<verse number="4">ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="2">መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝብኻ ምስ ካህን ከም ዝከራኸር እዩሞ፥ ሓደኳ ኣይከራኸር፤ ሓደኳ ኣይግናሕ።</verse>
				<verse number="5">ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።</verse>
				<verse number="6">ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።</verse>
				<verse number="7">“ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ።</verse>
				<verse number="8">ሓጢኣት ንህዝበይ ምግቢ ኾይንዎም ኣሎ፤ ልቦም ድማ ናብ በደል የድህብ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ።</verse>
				<verse number="10">ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም።</verse>
				<verse number="11">“ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።</verse>
				<verse number="14">ኣወዳትኩምውን ምስተን ኣብ ቤተ ጣዖት ዘለዋ ኣመንዝራታት ይምንዝሩ፤ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲ ድማ ይስውኡ ኣለዉሞ፥ ኣዋልድኩም እንተመንዘራ፥ መራዑኹምውን እንተ ዘመዋ፥ ኣነ ኣይቀፅዐንን እየ። ዘየስተውዕል ህዝቢ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="15">“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።</verse>
				<verse number="16">እስራኤል ከም ሕንጊድ ዓርሒ ሓንጊዱ እዩ እሞ፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ኣብ ገፊሕ ቦታ ኸም ጡቦትዶ ኸዋፍሮ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ኤፍሬም ምስ ጣዖታት ሓቢሩ እዩ እሞ ሕደግዎ።</verse>
				<verse number="18">ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ።</verse>
				<verse number="19">ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።</verse>
				<verse number="2">ዓመፀኛታት ሕሩድ ኣብዚሖም፤ ኣነ ግና ንዅላቶም ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="3">ኣታ ኤፍራታ ንስኻ ሕዚ መንዚርካ፤ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩሞ፥ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፤ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን።”</verse>
				<verse number="4">መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን።</verse>
				<verse number="5">ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፤ ግና ንሱ ካብኣቶም ርሒቑ እዩ እሞ፥ ኣይረኽብዎን።</verse>
				<verse number="7">ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።</verse>
				<verse number="9">ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ።</verse>
				<verse number="10">“ኣሕሉቕ ይሁዳ፥ ከምቶም ወሰን ዝደፍኡ ሰባት እዮም እሞ፥ ኣነውን ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ማይ ከፍስስ እየ።</verse>
				<verse number="11">ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ቍንቁነ ኾይነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን።</verse>
				<verse number="15">“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸሕውየና፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ኸተስአና እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።</verse>
				<verse number="6">ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።</verse>
				<verse number="7">“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።</verse>
				<verse number="8">ገለዓድ ብደም ዝጠልቀየት፥ ከተማ ኽፉኣት ሰባት እያ፤ ብደምውን ዝተቐብአት እያ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ቤት እስራኤል ዘስካሕክሕ ነገር ረአኹ፦ ኣብኡ ናይ ኤፍሬም ምንዝርና ኣሎ፤ እስራኤልውን ረኸሰ።”</verse>
				<verse number="11">“ኦ ይሁዳ ናይ ህዝበይ ምርኮ ብዝምለሰሉ ጊዜ ንኣኻውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።</verse>
				<verse number="3">“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="4">ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።</verse>
				<verse number="6">ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።”</verse>
				<verse number="7">“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”</verse>
				<verse number="8">ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።</verse>
				<verse number="10">ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።</verse>
				<verse number="11">ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ።</verse>
				<verse number="12">ክኸዱ እንተለዉ መርበበይ ክዝርግሐሎም፥ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ መከራኦም እናሰምዑ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="13">“ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ኣሰልጠንክዎምን ኣበርታዕኽዎምን፤ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ መኸሩ።</verse>
				<verse number="16">ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንሳቶም፥ ኦ ኣምላኽና፥ ንሕና እስራኤል ፈሊጥናካ ኢና፥ እናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።</verse>
				<verse number="4">“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።</verse>
				<verse number="5">“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?</verse>
				<verse number="6">እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።</verse>
				<verse number="8">እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ።</verse>
				<verse number="10">ምንም እኳ ንኣህዛብ ውህብቶ እንተ ሃቡ፥ ኣነ ሐዚ ኽእክቦም እየ፤ ካብ ፆር እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝተልዓለ እናደኸሙ ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="11">“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ።</verse>
				<verse number="12">ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ።</verse>
				<verse number="13">መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን።</verse>
				<verse number="2">ዓውድን መፅመቚ ወይንን ኣይቕልቦምን፤ ኰልዒ ወይኒ እውን ክጐድል እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።</verse>
				<verse number="5">ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን፥ ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።</verse>
				<verse number="7">ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።</verse>
				<verse number="8">ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።</verse>
				<verse number="11">ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን።</verse>
				<verse number="12">ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኦ እግዚኣብሄር፥ ሃቦም፤ እንታይ ክትህቦም ኢኻ? ዘይወልድ ማህፀንን ንፁፍ ጡብን ሃቦም።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።</verse>
				<verse number="16">ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።</verse>
				<verse number="17">ስለ ዘይሰምዕዎ ኣምላኸይ ክድርብዮም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ኰብለልቲ ክኾኑ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።</verse>
				<verse number="2">ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ።</verse>
				<verse number="4">ከንቱ ዘረባ ይዛረቡ፤ ዘይፍፀም ኪዳን ክኣትዉ ኸዓ፥ ብሓሰት ይምሕሉ። ስለዙይ መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝበቍል መቕሰፍቲ ኽበቝሎም እዩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።</verse>
				<verse number="6">እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ።</verse>
				<verse number="7">ሰማርያ ምስ ንጉሳ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዘሎ ዓፍራ ኽትጠፍእ እያ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ?</verse>
				<verse number="10">ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም።</verse>
				<verse number="11">ኤፍሬም መኼዳ ኸም ዝለመደት ዓርሒ እዩ፤ ኣነ ግና በቲ ፅቡቕ ክሳዱ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክፀምዶ እየ፤ ይሁዳ ኽሓርስ፥ ያእቆብውን ነቲ መሬት ከለሳልስ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።</verse>
				<verse number="13">ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሽብር ክለዓል እዩ፤ እኖ ምስ ደቃ ምስ ተጨፍለቐት ሰልማን ንቤት ኣርብኤል ብመዓልቲ ውግእ ዘፍረሰ፥ ኵሎም እምባታትካ ክፈርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">“ንእስራኤል ገና ህፃን እንተሎ ኣፍቀርክዎ፤ ንወደይውን ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ።</verse>
				<verse number="2">ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤ ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።</verse>
				<verse number="3">ኣነውን ንኤፍሬም ኢዱ ሒዘ ታተ ኣበልክዎ፤ ግና ዝፈወስክዎም ኣነ ኸም ዝኾንኩ ንሳቶም ኣየስተውዓሉን።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም፤ ነቲ ኣርዑትውን ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፤ ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።”</verse>
				<verse number="5">“ናባይ ክምለሱ ግና ኣይፈተዉን እሞ፥ ናብ ምድሪ ግብፂ ኽምለሱ እዮም፤ ኣሶርውን ንጉሶም ክኸውን እዩ፤</verse>
				<verse number="6">ስለ እቲ ዝተማኸርዎ ምኽሪ ኸዓ፥ ኣብ ከተማታቶም ሰይፊ ኽምዘዝ፥ ንዓበይቶምውን ከጥፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”</verse>
				<verse number="8">ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ? ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥ ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤ መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤ ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤ ብመዓትውን ኣይመፅእን።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፤ ንያእቆብ ድማ ኸም መጠን መንገዱ ይቐፅዖ፤ ከም መጠን ስራሑውን ክምልሰሉ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።</verse>
				<verse number="4">ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።</verse>
				<verse number="5">ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፤ ዝዝከረሉ ስም ከዓ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን።</verse>
				<verse number="7">ካብ ወገን ከነዓን እዩ፤ ኣብ ኢዱ ድማ ሚዛን ሓሰት ኣለዎ፤ ጥበራውን ይፈቱ።</verse>
				<verse number="8">“ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣነ ኣምላኽኩም እየ፤ ከምቲ ብመዓልቲ በዓልኩም እትገብርዎ ዝነበረ፥ መሊሰ ኣብ ድንኳናት ከንብረኩም እየ።</verse>
				<verse number="10">“ንነቢያት ተዛረብክዎም፤ ብዙሕ ራእያትውን ኣርአኽዎም፤ ብኢድ ነቢያት ገይረ ድማ ምስላታት ነገርኩ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="12">ያእቆብ ናብ ሶርያ ሃዲሙ ኸደ፤ እስራኤልውን ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝአ፤ ምእንቲ ሰበይቲ ኸዓ ጓሳ ኾነ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብነቢይ ገይሩ ኻብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ብኢድ ነቢይ ድማ ሓለዎም።</verse>
				<verse number="14">ኤፍሬም ግና ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፤ ስለዙይ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፤ ጐይታኡ፥ ንፀርፉ ኣብ ልዕሊኡ ኽምልሰሉ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን።</verse>
				<verse number="2">ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ግና ኻብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር እየ። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ መድሓኒ የለን።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ እንተለኻ እፈልጠካ ነይረ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኣነ ድማ ኸም ኣንበሳ ኾንክዎም፤ ከም ነብሪ ኸዓ ኣብ መንገዲ ኣድበኹሎም።</verse>
				<verse number="8">ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ።</verse>
				<verse number="9">“ኦ እስራኤል፥ ኣብ ልዕለይ፥ ኣብ ልዕሊ ረዳኢኻ ስለ ዝተልዓልካ ኽትጠፍእ ኢኻ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ዅሉ ኸተማታትካ ኸድሕነካስ፥ ንጉስካ ኣበይ ኣሎ? ንጉስን ኣሕሉቕን ሃበኒ ኢልካ ዝተናገርካዮ፥ መሳፍንትኻ ኣበይ ኣለዉ?</verse>
				<verse number="11">ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ።</verse>
				<verse number="12">“በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።</verse>
				<verse number="16">ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።</verse>
				<verse number="2">ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።</verse>
				<verse number="3">ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ፥ ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ፤ ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፤ ፅባቐኡ ኸም ኣውሊዕ፥ መዓዛኡ ኸም ሊባኖስ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ዝነብሩ ኽምለሱ እዮም፤ ብእኽሉውን ክፀግቡ እዮም፤ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፤ መዘከርታኦም ድማ ኸም ወይኒ ሊባኖስ ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።</verse>
				<verse number="9">ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="29">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ናብ ኢዩኤል ወዲ ባቱኤል ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ኣረጋውያን፥ እዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ዅልኻትኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ይበል። እዙይ ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩም፥ ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ?</verse>
				<verse number="3">እዙይ ንደቅኹም ንገሩ፤ ደቅኹም ከዓ ንደቆም፥ ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፤ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸዓ ቃቔጣ በልዖ፤ ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ሰካራማት፥ ንቕሑን ብኸዩን፤ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።</verse>
				<verse number="6">ቊፅሪ ዘይብሉ ሓያል ህዝቢ፥ ናብ ምድረይ ደዪቡ እዩሞ፤ ኣስናኑ፥ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፤ ከም ናይ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዝበለ ምንጋጋ ኸዓ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="7">ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፤ ንኦም በለሰይ ድማ ፈሓቆ፤ ጨሪሱ ቐንጢጡ ኸዓ ደርበዮ፤ ጨናፍሩውን ፃዕደወ።</verse>
				<verse number="8">ከምታ ንሰብኣይ ንእስነታ፥ ወጮ ተኸዲና እትበኪ ድንግል ብኸዪ።</verse>
				<verse number="9">ቍርባን እኽልን ቍርባን መስተን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ፤ እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት ይበኽዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="10">እቲ እኽሊ ጠፊኡ፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ እውን ነቒፁ፥ ዘይትውን ጐዲሉ እዩ እሞ፥ እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ።</verse>
				<verse number="11">እቶት ገራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፥ እቶም ሓረስቶት፥ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሓፈሩ፤ እቶም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ዋይ ዋይ በሉ።</verse>
				<verse number="12">ተኽሊ ወይኒ ነቐፀ፤ ኦም በለስ ከዓ ፀምለወ፤ ኦም ሮማንን ተምርን ምልዖን፥ ኵሉ ኣእዋም በረኻን ነቐፀ፤ ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ።</verse>
				<verse number="13">መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።</verse>
				<verse number="14">ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።</verse>
				<verse number="15">መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ! ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ቅድሚ ዓይንና ምግቢ፥ ካብ ቤት ኣምላኽና ድማ፥ ሓጐስን ዕልልታን ዝጠፍአዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="17">እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤ እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤ ማዕከናትውን ፈረሱ።</verse>
				<verse number="18">እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ሓዊ በሊዕዎ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ፥ ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ወሓዚ ማያት ነፂፉ፤ ነቲ መጓስዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፥ እንስሳ በረኻውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።</verse>
				<verse number="2">መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤ ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።</verse>
				<verse number="4">ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፤ ከም ኣፍራስ ድማ ይጋልቡ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ኣብ ርእሲ እምባ ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፥ ከምቲ ንሓሰር ክበልዕ እንተሎ፥ ጥዋዕዋዕ ዝብል ድምፂ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤ ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።</verse>
				<verse number="7">ከም ጀጋኑ ይጐዩ፤ ከምዝዋግኡ ሰባት ናብ ቅፅሪ ይድይቡ፤ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ፤ ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኣይዳፋእን፤ ነፍሲ ወከፍ በብመንገዱ ይኸይድ፤ ናብ ማእኸል ውግእ ይሓልፉ፤ ኣይቘስሉንውን።</verse>
				<verse number="9">ነታ ኸተማ ይወሩ፤ ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤ ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።</verse>
				<verse number="10">ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ትድንግፅ፤ ሰማያት ይንቅጥቀጡ፤ ፀሓይን ወርሕን ይፅልምታ፤ ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?</verse>
				<verse number="12">እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።</verse>
				<verse number="14">ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?</verse>
				<verse number="15">ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ቅዱስ ፆም ኣውጁ፤ ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ።</verse>
				<verse number="16">ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥ ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤ ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥ ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ስለ ምድሩ ቐንአ፤ ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤ እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤ ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣቲ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩሞ፥ ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም እንስሳ ምድሪ፥ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፥ እቲ ኦምውን ፈርዩ እዩሞ፥ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከዓ፥ ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="23">ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።</verse>
				<verse number="24">ዓውድታት ከዓ እኽሊ ኽመልኡ እዮም፤ መፅመቚታትውን ወይንን ዘይትን፥ መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።</verse>
				<verse number="26">ብዙሕ መብልዕ ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ክተመስግንዎ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።</verse>
				<verse number="27">ኣነ ኣብ ማእኸል እስራኤል ከም ዘለኹ፥ ኣነ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኻኩም ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ኽትፈልጡ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።</verse>
				<verse number="28">ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥ ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።</verse>
				<verse number="29">በተን ኣዋርሕ እቲኣተን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ፥ መንፈሰይ ክኽዑ እየ።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ልዕሊ ሰማይ ከዓ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፥ ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ።</verse>
				<verse number="31">እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።</verse>
				<verse number="32">ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እንሆ ድማ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን፥ በቲ ጊዜ እቱይን፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥</verse>
				<verse number="2">ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዕፃ ኣውደቑ፤ ንኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ዋጋኣ ተባዕታይ ቈልዓ ሃቡ፤ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ፤ ሰተዩውን።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ግዝኣት ፍልስጥኤምን፥ ኣነ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? ኽትፈድዩኒ ዲኹም? እንተ እትፈድዩኒ እኳ፥ ቀልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።</verse>
				<verse number="5">ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ዘብህግ ክቡር ኣቕሓይ ከዓ፥ ናብ መቕደሳትኩም ኣእቲኹምዎ ኢኹም እሞ፥</verse>
				<verse number="6">ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ድማ፥ ካብ ወሰኖም ክተርሕቕዎም፥ ናብ ግሪካውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ፥ ኣነ ኻብቲ ንኣኣቶም ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸልዕሎም እየ፤ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።</verse>
				<verse number="8">ነዙይ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ እሞ፥ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን፥ ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፤ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፥ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጡኹም እዮም።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።</verse>
				<verse number="10">ማሕረሻኹም ሰይፊ፥ ንማዕፂድኩም ድማ ዂናት ክኸውን ቀጥቅጥዎ፤ እቲ ድኹም ድማ፥ ኣነ ጅግና እየ ይበል።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘለኹም ኵልኹም ኣህዛብ፥ ቀልጥፉ ንዑ ተአከቡ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንጀጋኑኻ ናብኡ ኣውርዶም።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥ ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥ እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥ ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።</verse>
				<verse number="13">ክፍኣቶም ስለ ዝበዝሐ፥ ቀውዒ በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድ ስደዱ፤ እቲ መፅመቚ መሊኡ፥ ኣጋንእ ከዓ መሊኡ የንጠብጥብ ኣሎ እሞ ንዑ ርገፁ።</verse>
				<verse number="14">መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ቀሪባ እያሞ፥ ናይ የመና ብዙሕ ህዝቢ ወኻዕታ፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ፀሓይን ወርሕን ፀልሚተን እየን፤ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ሰዊሮም እዮም።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤ ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ምድሮም ንፁህ ደም ኣፍሲሶም እዮም እሞ፥ ብሰንኪ እቲ ንደቂ ይሁዳ ዝተገብረ ዓመፅ፥ ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="20">ይሁዳ ግና ንዘለኣለም፥ ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ድማ ነቲ ዘየፅረኽዎ ደሞም ከፅርዮ እየ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="30">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እዝ ቓል እዙይ፥ ኣሞፅ፥ ሓደ ኻብቶም ጓሶት ቴቁሔ ዝነበረ፥ ብዘመን ኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ብዘመን ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤልን፥ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ቓል እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንገለዓድ ብሓፂን መንኰርኰር ኣኺዱ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደማስቆ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ናብ ቤት ኣዛሄል ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ወልደ ኣዴር ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ክህብዎም፥ ንዅሎም ምሩኻት ማሪኾም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጋዛ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።”</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኣነ ናብ ቅፅሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።</verse>
				<verse number="8">“ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ንዅሎም ምሩኻት ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮምሞ፥ ንናይ ኣሕዋት ቃል ኪዳንውን ኣይሓሰቡንሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጢሮስ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ቅፅርታት ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንጉሶም ምስ መሳፍንቱ ኽማረኽ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።</verse>
				<verse number="3">ንፈራዲኣ ኻብ ማእኸላ ኸጥፍእ እየ፤ ምስኡ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቓ ኽቐትል እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።</verse>
				<verse number="7">ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ።</verse>
				<verse number="8">ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ።</verse>
				<verse number="9">“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።</verse>
				<verse number="10">ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።</verse>
				<verse number="11">ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን ኣተሳእኹ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ከምኡዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።</verse>
				<verse number="13">እንሆ፥ ከምቲ እንዳእቲ ዝመልአት ሰረገላ እትስጕድ፥ ከምኡ ኣነውን ክስጕደኩም እየ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን።</verse>
				<verse number="15">በዓል ቀስቲ እውን ኣይቐውምን፤ እቲ ፈጣንውን ኣይድሕንን፤ ፈረሰኛውን ንባዕሉ ኣየድሕንን።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ማእኸል እቶም ሓያላትውን፥ እቲ የመና ተባዕ እኳ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ ዝባኑ ይሃድም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”</verse>
				<verse number="3">ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም?</verse>
				<verse number="4">ኣንበሳኸ ግዳይ እንተይረኸበዶ፥ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ? ወይ ከዓ ሽደን ኣንበሳኸ ዝኾነ እንተይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድምፅ እዩ?</verse>
				<verse number="5">መፈንጠር ኣብዘይብሉዶ፥ ዒፍ ብመፈንጠር ይተሓዝ እዩ? መፈንጠርከ ዝኾነ እንተይሓዘዶ፥ ካብ ምድሪ ይነጥር እዩ?</verse>
				<verse number="6">መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?</verse>
				<verse number="7">ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?</verse>
				<verse number="9">ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ።</verse>
				<verse number="10">“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ፀላኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይልኺ ኻባኺ ኸውርድ እዩ፤ ንኣዳራሻትክውን ክብዝብዞ እዩ።”</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ስምዑ፤ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ከዓ መስክሩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።</verse>
				<verse number="14">“በታ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዝቐፅዐላ መዓልቲ፥ ንመሰውኢታት ቤቴልውን ክብቀሎ እየ። እቶም ኣቕርንቲ መሰውኢ ድማ ኽስበሩ እዮም፤ ናብ ምድሪ እውን ክወድቁ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ከዕንወን እየ፤ እቶም ብስኒ ሓርማዝ ዘጌፁ ኣባይቲ ኸዓ ኽድምሰሱ እዮም፤ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክፈርሱ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።</verse>
				<verse number="2">ጐይታ እግዚኣብሄር ንኣኻትክን ብመሳርሒ ውግእ፥ ተረፋትክንውን ብመቝለብ እትሰሓባለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ኢሉ፥ ብቕድስናኡ መሓለ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ኣብ ቅድመኽን ዝተነፀለ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፤ ናብ ሬማንውን ክትድርበያ ኢኽን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ነዙይ ፈቲኹም ኢኹምሞ፥ ናብ ቤቴል ንዑ እሞ ሓጢኣት ግበሩ፤ ናብ ጌልጌላውን ኪዱሞ ሓጢኣት ኣብዝሑ። ንግሆ ንግሆ መስዋእትኹም፥ ኣብ ሰሳልስቲ መዓልቲ ኸዓ ኣስራትኩም ኣቕርቡ።</verse>
				<verse number="5">መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።</verse>
				<verse number="8">ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">“ብሃጕን ብሕሞድያን ወቓዕኩኹም፤ ንብዝሒ ኣትኽልትኻትኩምን ወይንኻትኩምን ኣዋልዕኹምን ኣንበጣ በልዖ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="10">“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">“ስለዙይ ኣታ እስራኤል፥ ኣነ ኸምዙይ ክገብረካ እየ፤ ከምዙይ ስለዝገብረካውን ኣታ እስራኤል፥ ኣምላኽካ ንኽትራኸብ ተዳሎ።”</verse>
				<verse number="13">ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦</verse>
				<verse number="2">እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ እያ፤ ደጊምውን ኣይትትስእን እያ፤ ኣብ ገዛ ምድራ ተደርቢያ ኣላ፤ ዘተስኣ ድማ የለን።</verse>
				<verse number="3">“ካብታ ሽሕ ዝወፀላ ኸተማ፥ ሚእቲ ይተርፍዋ፤ ካብታ ሚእቲ ዝወፁላ ኸተማ ኸዓ ንቤት እስራኤል፥ ዓሰርተ ጥራሕ ይተርፍዋ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ “ንኣይ ድለዩሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ግና ጌልገላ ፈፂማ ኽትማረኽ እያ፤ ቤቴልውን ከንቱ ኽትከውን እያሞ፥ ንቤቴል ኣይትድለዩ፤ ናብ ጌልገላ ድማ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤርሳቤህውን ኣይትሕለፉ።”</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቤት ዮሴፍ ሓዊ ኸይትነድድ፥ ኣብ ቤቴል ዘጥፍኣ ዘይብላ ኸይትቃፀል፥ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ብህይወት ድማ ኽትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፥ ንፅድቂ ኸዓ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="8">ንሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ኦሪዮን ንዝተብሃለ ኾከብን ዝፈጠረ፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ናብ ወጋሕታ ንዝልውጥ፥ ንመዓልቲ ኸዓ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገበሮ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ፥ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል፥ ብድንገት ጥፍኣት የውርደሉ፤ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ፥ ጥፍኣት የምፅእ እዩሞ ድለይዎ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ።</verse>
				<verse number="11">ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል።</verse>
				<verse number="14">ብህይወት ንኽትነብሩ፥ ሰናይ እምበር ክፉእ ኣይትድለዩ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም ዝተናገርኩምዎ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ብማእኸልኩም ክሓልፍ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ እንዳ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ወዮ! ተብሂሉ ኽብከ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ።</verse>
				<verse number="19">ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="20">መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን? ግብ ዝበለ ፀልማትን ምንፅብራቕ ብርሃን ዘይብላንዶኸ ኣይኮነትን?</verse>
				<verse number="21">“ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን።</verse>
				<verse number="22">ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ።</verse>
				<verse number="23">ድምፂ ዝማሬኹም ካባይ ኣርሕቑ፤ ንቓና በገናኹምውን ኣይሰምዖን እየ።</verse>
				<verse number="24">ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ።</verse>
				<verse number="25">“ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መስዋእትን ቍርባንንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም?</verse>
				<verse number="26">ንባዕልትኹም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን መሎኽን፥ ምስሊ ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም ዘልዓልኩም።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="2">ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ?</verse>
				<verse number="3">ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥</verse>
				<verse number="5">ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥</verse>
				<verse number="6">ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="7">“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”</verse>
				<verse number="8">ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፦ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰባት እኳ እንተ ተረፉ ኽሞቱ እዮም።</verse>
				<verse number="10">ዘመድ እቲ መዋቲ ምስ እቲ ዘቃፅሎ ሰብ፥ ነቲ ሬሳ ኻብ ገዛ ኸውፅኦ ምሰልዓሎ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ኸዓ “ገናዶ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ኣሎ” ኢሉ ኽጥይቖ እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ “ሓደ እኳ የለን” ኢሉ ኽምልሰሉ እዩ። እቱይ ድማ “ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብአናን እዩ እሞ፥ ስቕ በል” ክብሎ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ።</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም።</verse>
				<verse number="14">“ስለዙይ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ እንሆ ህዝቢ ኸተስአልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኻብቲ መእተዊ ሃማት ጀሚሮም፥ ክሳዕ ሩባ ዓረባ ከጨንቑኹም እዮም” ይብል ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝበቈለ ጠጥዒ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ድማ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንኽትሓድግ እልምነካ ኣለኹ፤ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል?” በልኩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ከምዙይ እውን ኣርኣየኒ፦ እንሆ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ገመድ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብቲ ብመለክዒ ዝተሰርሐ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ድማ “ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ሓደ መለክዒ መንደቕ” በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል፥ ንመለክዒ መንደቕ ክገብሮ እየ። ካብዙይ ንደሓር ኣይሓልፎን እየ።</verse>
				<verse number="9">ናይ ይስሓቅ መምለኺ ዀረብታታት ክዓንዉ እዮም። መቕደስ እስራኤል ክፈርስ እዩ። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም፥ ብሰይፊ ኽለዓል እየ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኣሜስያስ ካህን ቤቴል፥ ናብ ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ኣሞፅ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ሻራ ገይሩልካ ኣሎ። እታ ምድሪ እውን ንዅሉ ቓላቱ ክትፀውር ኣይትኽእልን እያ።</verse>
				<verse number="11">ኣሞፅ ባዕሉ ‘ኢዮርብዓም ብሰይፊ ኽመውት እዩ፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ተማሪኾም፥ ካብ ምድሮም ክውሰዱ እዮም’ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኣሜስያስ ድማ ንኣሞፅ “ኣታ በዓል ራእይ፥ ኪድ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፤ ኣብኣውን እንጀራኻ ብላዕ፤ ኣብኣ ኸዓ ተነበ።</verse>
				<verse number="13">ግና ቤቴል ናይ ንጉስ መቕደስ፥ ናይ መንግስቱውን መንበሪ እያ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ኣብኣ ኣይትነበ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣሞፅ ከዓ ንኣሜስያስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሓላዊ ኸፍትን፥ ኣራዪ ፍረ ዳዕሮን እየ እምበር፥ ነቢይ ወይ ወዲ ነቢይ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="15">ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ እውን ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ‘ንስኻ፥ ኣንፃር እስራኤል ኣይትነበ፤ ኣንፃር ቤት ይስሓቕውን ኣይትስበኽ’ ትብል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ጐይታ እግዚኣብሄር ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ ኸዓ ፍረ ቐሪም ዝመልአ ኸፈር ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ፍረ ዝመልአ ኸፈር እርኢ ኣለኹ” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናይ ህዝበይ እስራኤል መወዳእታ በፂሑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="3">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥ ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤ ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤</verse>
				<verse number="6">“ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤</verse>
				<verse number="8">እዛ ምድሪ እዚኣ በዝ ምኽንያት እዙይዶ ኣይተንቀጥቅጥን እያ? እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምከ ኣይሓዝኑንዶ? ንሳ ብምልእታ ኸም ወሓዚ ኽትለዓል፥ ከም ፈለግ ግብፂ መሊኣ ቐምበይ ቀምበይ ክትብልን፥ ጐዲላ ኸዓ ትሕት ክትብልን እያ።</verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቀትሪ እንተሎ ንፀሓይ ከዕርባ፥ ድሙቕ መዓልቲ እንተሎውን ንምድሪ ኸፀልምታ እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="10">ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ።</verse>
				<verse number="11">“እንሆ፥ ኣነ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰደለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እዝ ጥሜት እዙይ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ጥሜት እንጀራን ፅምኢ ማይን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="12">ሰባት ቃል እግዚኣብሄር ክደልዩ፥ ናብዙይን ናብቱይን ክጐዩ እዮም። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፥ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ኰለል ክብሉ እዮም፤ ግና ኣይረኽብዎን።</verse>
				<verse number="13">በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ፅቡቓት ደናግልን እቶም ኣጓብዝን ብፅምኢ ኸሕለልዉ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ሲኦል እንተ ወረዱኳ፥ ኢደይ ካብኡ ኽተውፅኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፥ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።”</verse>
				<verse number="5">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንምድሪ ይድህስሳ፥ ንሳ ኸዓ ትመክኽ፤ ኵላቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ይበኽዩ፤ ብምልእታ ኸም ፈለግ ግብፂ ትለዓል፤ ከም ፈለግ ግብፂውን ትወርድ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ነደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሐ፥ ንጠፈር ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ ንሱ እዩ፤ ስሙውን እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="7">“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን?</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ‘ክፉእ ኣይረኽበናን እዩ፤ ኣይበፅሐናንውን’ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ፥ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።”</verse>
				<verse number="11">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።</verse>
				<verse number="12">እዙይውን እቶም ኣብ ኤዶምያስ ዝተረፉን፥ እቶም ስመይ ዝተፀውዖም ኵሎም ኣህዛብን ምእንቲ ኽወርሱ እዩ” ይብል እቲ ነዙይ ዝገብር እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥ እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን። እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤ ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኸዓ ናይ ህዝበይ እስራኤል ምርኮ ኽምልስ እየ፤ ንሳቶም ድማ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ክሃንፅወንን ክነብሩለንን እዮም። ወይኒ ኽተኽሉ፥ ወይኑውን ክሰትዩ እዮም፤ ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸቶ ኣይንቀሉን፤ ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="31">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤ እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥ “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።”</verse>
				<verse number="2">“እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንኣስኩኻ፤ ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ።</verse>
				<verse number="3">ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="5">ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥ ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥ ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን? ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን? ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!</verse>
				<verse number="6">ኤሳው ከመይ ተመርመረ! ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ!</verse>
				<verse number="7">ኵሎም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ክሳዕ ወሰን ሰጐጉኻ፤ ኵሎም እቶም እትኣምኖም ሰባት እውን ኣታለሉኻ፤ ኣእምሮ የብሉን ኢሎም ኣሰነፉኻ፤ እቶም እንጀራኻ ዝበልዑ እውን፥ ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠር ዘርግሑልካ፤ ንሳቶምውን ምስትውዓል የብሎምን።</verse>
				<verse number="8">“በታ መዓልቲ እቲኣ ጥበበኛታት ካብ ኤዶምያስ፥ መስተውዓልቲውን ካብ እምባታት ኤሳውዶ ኣየጥፍእን? ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ኣታ ቴማን፥ ኵሎም ሰባት ካብ እምባ ኤሳው፥ ተቐቲሎም ምእንቲ ኽጠፍኡ፥ ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ ስለ ዝተገብረ ግፍዒ፥ ሓፍረት ክትጕልበብ ኢኻ፤ ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">በታ ኣንፃር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፥ በታ ጓኖት ንጭፍራ ማሪኾም ዝወሰዱላ መዓልቲ፥ ኣህዛብ ንጭፍራኡ ብዝማረኹላ፥ ኣጋይሽውን ብበሪ ዝኣተውሉ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዕፃ ብዝተዋደቑሉ መዓልቲ፥ ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ።</verse>
				<verse number="12">ግና ብመዓልቲ መከራ ንሓውካ ኽትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ይሁዳ ኽትሕጐስ፥ ብመዓልቲ ጭንቂ እውን፥ ብትዕቢት ክትዛረብ ኣይግበአካን ነይሩ።</verse>
				<verse number="13">በቲ ጥፍኣት ዝወረዶም መዓልቲ ብበሪ ህዝበይ ምእታው፥ ብመዓልቲ ጭንቀቶምውን ጥፍኣቶም ክትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ኢድካ ዘርጊሕኻ፥ ሃብቶም ክትዘምት ኣይምተገበአካን ነይሩ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ኽትቀትል ኢልካ፥ ኣብ ቀራና መንገዲ ምፅባይ፥ በታ መዓልቲ ጭንቆም ከዓ፥ ነቶም ዝተረፉ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ ኽትህብ፥ ኣይምተገብአካን ነይሩ።</verse>
				<verse number="15">“መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ እሞ፥ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ኸምኡ ኽግበረካ እዩ፤ ፍዳኻውን ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ኽምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ቅዱስ እምባይ ዝሰተኹም፥ ከምኡ ዅሎም ኣህዛብ እንተየቋረፁ ክሰትዩ እዮም፤ እወ፥ ክሰትዩ እዮም፤ ኣብዚሖምውን ክጭልጥዎ እዮም፤ ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="17">“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”</verse>
				<verse number="19">“ሰባት ደቡብ ንእምባ ኤሳው፥ ሰባት እቲ ቖላ ድማ፥ ንምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክወርሱ እዮም፤ ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንሰማርያውን ክሕዙ እዮም፤ ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ።</verse>
				<verse number="20">እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ልዕሊ እምባ ኤሳው ክፈርዱ፥ እቶም ዘድሕኑ ናብ እምባ ፅዮን ክድይቡ እዮም፤ መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="32">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።”</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።</verse>
				<verse number="5">እቶም መርከበኛታት ድማ ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ክብደት እታ መርከቦም ምእንቲ ክቐለሎም ከዓ፥ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፥ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት።</verse>
				<verse number="8">ንሳቶም ከዓ “በይዛኻ ንገረና፤ እዝ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰንኪ መን እዩ? ስራሕኻ እንታይ እዩ? ካበይከ ኢኻ መፂእኻ? ሃገርካ ኣበይ እዩ? ካብ መን ወገንከ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ድማ “እዝ ብርቱዕ ማዕበል ብሰንከይ ከም ዝበፅሐኩም ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፤ እቲ ባሕሪ ኸዓ ኽሃድአልኩም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ሰባት እናቐዘፉ ናብ ምድሪ ኽምለሱ ኣበርቲዖም ይፅዕሩ ነበሩ። ግና እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤</verse>
				<verse number="15">ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሰባት ከዓ ንእግዚኣብሄር የመና ፈርሑዎ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኡ፤ መብፅዓውን ተመባፅዑ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይውን በለ፦ “ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ። ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤ ወሓይዝ ከበቡኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።</verse>
				<verse number="5">ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበቡኒ፤ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፤ ሳዕሪ ባሕሪ እውን ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።</verse>
				<verse number="6">ናብ መሰረት እምባታት ወረድኩ፤ ኣብ ምድርን ኣብ መወርወሪታታን ንዘለኣለም ተዓፆኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ።</verse>
				<verse number="7">ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥ መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤ ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ዮናስ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ ተሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ። ነነዌ ግና መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ እትወስድ፥ የመና ዓባይ ከተማ ነበረት።</verse>
				<verse number="4">ዮናስ ናብታ ኸተማ ኽኣቱ መንገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጕዓዘ “ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ነነዌ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣመኑ፤ ፆም ድማ ኣወጁ፤ ኵሎም ሰባትውን ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ወጮ ተኸደኑ።</verse>
				<verse number="6">እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ።</verse>
				<verse number="8">ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፤ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር የእውዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዱን፥ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ግፍዕን ይመለስ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?”</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ።</verse>
				<verse number="2">ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።</verse>
				<verse number="3">ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ዮናስ ከዓ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ፥ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ንባዕሉ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንዮናስ ርእሱ ኽተፅልለሉ እሞ፥ ካብ ጭንቂ ኽተድሕኖ ኢሉ፥ ሓንቲ ተኽሊ ሓምሓም ኣብቈለ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸም እትዓቢ ድማ ገበራ። ዮናስውን በታ ተኽሊ ሓምሓም የመና ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="7">ግና ንፅባሒቱ ምስ ወግሐ፥ ኣምላኽ፥ ሓሰኻ ኣዳለወ፤ ነታ ተኽሊ ድማ እቲ ሓሰኻ በልዓ፤ ንሳ ኸዓ ነቐፀት።</verse>
				<verse number="8">ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት፥ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ሓዘንካ።</verse>
				<verse number="11">ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="33">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም።</verse>
				<verse number="3">እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።</verse>
				<verse number="5">እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”</verse>
				<verse number="8">“በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”</verse>
				<verse number="10">ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።</verse>
				<verse number="11">ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።</verse>
				<verse number="12">መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እዝ ወለዶ እዙይ፥ ክፉእ ክምህዘሉ እየ፤ እንሆ፥ ክፉእ ዘመን እዩሞ ኽሳድኩም ኣይተልዕሉን፤ ተዓቢኹም ከዓ ኣይትኸዱን።</verse>
				<verse number="4">በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ኣብ ማእኸል ጉባኤ እግዚኣብሄር፥ መሬት ብዕፃ ገመድ ዘውድቕ ኣይህልወካን።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ዝንበዩ ኣይትነበዩ ይብልዎም፤ ብኣኣቶም ትንቢት እንተ ዘይተናገሩኳ ነውሮም ኣይርሕቕን።</verse>
				<verse number="7">“ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሃል! ብሓቂ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይዕገስ ድዩ? ስራሑኸ ኸምዙይ ድዩ? ቃለይስ ብቕንዕና ንዝኸይድ ሰናይዶ ኣይገብርን?</verse>
				<verse number="8">“ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም።</verse>
				<verse number="9">ነንስቲ ህዝበይ ካብ ዝፈትዋኦ ኣባይተን ሰጐጕኩምወን፤ ካብ ደቀን ክብረይ ንዘለኣለም ወሰድኩም።</verse>
				<verse number="10">ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።</verse>
				<verse number="11">“ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን።</verse>
				<verse number="12">“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን?</verse>
				<verse number="2">ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።</verse>
				<verse number="3">ንህዝበይ ስጋኦም በሊዕኹም ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ኣዕፅምቶም ሰባቢርኩም፥ ከምቲ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ ቘራሪፅኩምዎም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ንህዝበይ ብዛዕባ ዘስሕቱ ነቢያት በስናኖም እናተናኸሱ ሰላም ዝእውጁ፥ ነቲ ናብ ኣፎም ዝኾነ ዘይህቦም ድማ፥ ውግእ ዝእውጁ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="6">“ስለዙይ ዝረአኹምዎ ራእይ፥ ለይቲ፥ ጥንቈላኹም ድማ ፀልማት ክኾነኩም እዩ፤ ፀሓይውን ኣብ ልዕሊ ነቢያት ክትዓርብ እያ፤ መዓልቱውን ክፅልምቶም እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="8">ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።</verse>
				<verse number="10">ኣሕሉቓ ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብኽፍኣት እትሃንፁ ስምዑ።</verse>
				<verse number="11">ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዘለዉ ብርቱዓት ኣህዛብውን ክብይን እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ንማሕረሻ፥ ኲናውቶም ድማ ንማዕፂድ ክገብርዎ እዮም፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣየልዕልን፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤ ዘፍርሖውን የለን።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ሓንካስ ክእክባ እየ፤ ነታ ዝተሰጐጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክእክባ እየ።</verse>
				<verse number="7">ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”</verse>
				<verse number="8">ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ።</verse>
				<verse number="9">ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ?</verse>
				<verse number="10">ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ ኣቕለልዊን ሕረስን፤ ሕዝስ ካብ ከተማ ወፂእኺ ኣብ ሜዳ ኽትቅመጢ ኢኺ፤ ናብ ባቢሎንውን ክትበፅሒ ኢኺ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ፀላእትኺ ኽቤዘወኪ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጡን እዮም፤ ንምኽሩውን ኣየስተውዕሉን፤ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩሞ።</verse>
				<verse number="13">ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣቲ ጓል ጭፍራታት ጭፍራኺ ሕዚ ኣክቢ፤ ከቢቡ ኣጨኒቑና እዩ፤ ንፈራዲ እስራኤልውን ምዕጕርቱ ብበትሪ ይወቕዕዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="2">“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኢድካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ልዕል ልዕል ክትብል እያ፤ ኵሎም ፀላእትኻውን ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ።</verse>
				<verse number="11">ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ።</verse>
				<verse number="12">ጥንቈላኻ ኻብ ኢድካ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ጠንቈልቲ ኣይህልዉኻን እዮም።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ፅሩብ ምስልታትካን ሓወልቲታትካን ካብ ማእኸልካ ኸጥፍኣ እየ። ድሕሪዙይውን ነቲ ስራሕ ኣእዳውካ ኣይትሰግድን ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ንመምለኺ ዓፀዳትካ ካብ ማእኸልካ ኽነቕሎ፥ ንኸተማታትካ ኸዓ ኸዕንወን እየ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ዘይሰምዑ ኣህዛብ ከዓ ብቝጥዓን ብመዓትን ሕነ ኽፈዲ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።”</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።</verse>
				<verse number="3">“ኣታ ህዝበይ፥ እንታይ ገይረካ እየ? ብምንታይከ ኣድከምኩኻ? እስኪ መስክረለይ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።</verse>
				<verse number="5">ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”</verse>
				<verse number="6">ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ?</verse>
				<verse number="7">ብኣሽሓት ማጓሉን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትንዶ እግዚኣብሄር ደስ ይብሎ እዩ? ኽንዲ በደለይ በዅሪ ወደይ፥ ክንዲ ሓጢኣተይ ከዓ ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ?</verse>
				<verse number="8">ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="9">ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="10">ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን?</verse>
				<verse number="11">ኣነዶ ብሚዛን ረሲዕነትን፥ በቲ ኸረጢት ጠባሪ መመዘንን፥ ንፁህ ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ።</verse>
				<verse number="14">ክትበልዕ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይትፀግብን፤ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ክኸውን እዩ። ክትሕዝ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይተድሕንን፤ ነቲ ዘድሐንካዮውን ንሰይፊ ኽህቦ እየ።</verse>
				<verse number="15">ክትዘርእ ኢኻ፤ ግና ኣይትዓፅድን፤ ፍረ ኣውሊዕ ክትፀምቝ፥ ግና ዘይቱ ኣይትቕባእን ኢኻ፤ ዀልዒ ወይኒ ኽትፀምቝ ኢኻ፤ ግና ወይኒ ኣይትሰትን።</verse>
				<verse number="16">ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።</verse>
				<verse number="2">ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።</verse>
				<verse number="3">ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ።</verse>
				<verse number="6">ንሰብ ፀላእቱ ቤተሰቡ እዮምሞ፥ ወዲ ነቦኡ ኽንዕቕ እዩ፤ ጓል ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ መርዓት ከዓ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ኽትለዓል እያ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።</verse>
				<verse number="9">ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።</verse>
				<verse number="11">እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ።</verse>
				<verse number="12">በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።</verse>
				<verse number="16">ኣህዛብ ክሪኡ፥ ብኹሉ ሓይሎምውን ክሓፍሩ እዮም፤ ኢዶም ኣብ ኣፎም ክገብሩ እዮም። ኣእዛኖምውን ክፀሙ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።</verse>
				<verse number="19">ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="34">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እዝ መፅሓፍ እዙይ እቲ ኣልቆሻዊ ናሆም ስለ ነነዌ ዝረኣዮ ራእይ ዝገልፅ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር፥ ንቝጥዓ ዝደንጐየ፥ ሓይሉ ድማ ዓብዪ እዩ፤ ነቲ በዳሊ ንፁህ ኢኻ ኣይብልን፤ እግዚኣብሄር ብንፋስ ኣውሎን ብመሸምቦባን መንገዲ ኣለዎ፤ ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንባሕሪ ይግስፃን የንቅፃን፤ ንዅሎም ሩባታት የንፅፎም፤ ባሳንን ቀርሜሎስን ፀምለዉ፤ ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ።</verse>
				<verse number="5">እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥ ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እትሓስብዎ እንታይ እዩ? ንሱ ፈፂሙ ኸጥፍእ እዩ፤ መከራውን መሊሱ ኣይለዓልን።</verse>
				<verse number="10">ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥ ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥ ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘሻሩን፥ ክፉእ ዝመክርን ካባኻ ወፀ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን እንተ ኾኑ፥ ክቝረፁ እዮም፤ ንሱውን ክውዳእ እዩ፤ ኣነ ኣጨኒቐካ ነይረ፥ ድሕሪ ደጊም ግና ኣየጨንቐካን እየ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ድማ ነቲ ኣርዑቱ፥ ካባኻ ኽሰብሮ እየ፤ ንእስራትካ ኸዓ ኽበታትኾ እየ።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ እዩ፦ “ስም ዘፀውዕ ትውልዲ ኣይህልወካን እዩ፤ ኣነ ነቶም ዝተቐረፁ ምስልታትን፥ መኺኾም ንዝተሰርሑ ጣዖታትን፥ ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኽድምስሶም እየ። ንስኻ ዝተጠቓዕኻ ኢኻሞ መቓብርካ ኽዅዕት እየ።”</verse>
				<verse number="15">እንሆ እግሪ እቲ ብስራት ዘምፅእ ሰላም ከዓ ዝእውጅ ኣብ እምባታት ኣሎ። ኣታ ይሁዳ፥ እቲ ዘጥፍእ ጠፊኡ እዩሞ፥ ካብ ደጊም በኣኻውን ኣይሓልፍን እዩሞ፥ ዓመት በዓላትካ ግበር፤ መብፅዓኻውን ክፈል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤ ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤ ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤ ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።</verse>
				<verse number="2">ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥ ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥ ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥ ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ዋልታ እቶም ጀጋኑ ቀዪሑ እዩ፤ እቶም ተዋጋእቲውን፥ ቀይሕ ክዳን ተኸዲኖም እዮም፤ ንሱ ንውግእ ድልዊ ብዝኾነሉ መዓልቲ፥ ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ።</verse>
				<verse number="4">እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤ ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤ ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም መሳፍንቱ ይዝክር፤ ግና ብኣካይዳኦም ይዕንቀፉ፤ ቀልጢፎም ናብ ቅፅራ ይድይቡ፤ መዕቈቢውን ተዳለወ።</verse>
				<verse number="6">ማዕፆ እቲ ሩባ ተኸፈተ፤ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ።</verse>
				<verse number="7">እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤ እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥ ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="8">ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥ ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤ ሕዚ ግና ሃደሙ፤ ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤ ዝተመለሰ ግና የለን።</verse>
				<verse number="9">መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።</verse>
				<verse number="10">ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።</verse>
				<verse number="11">እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥ መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?</verse>
				<verse number="12">ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤ ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤ በዓትታቱ ብግዳዩ፥ ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።</verse>
				<verse number="13">“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ነታ ናይ ደም ከተማ ወይለኣ! ሓሰትን ዘመተን ዝመልአት፥ ከትሪውን ካብኣ ኣይርሕቕን።</verse>
				<verse number="2">ድምፂ ሓለንግን፥ ድምፂ እቲ ድዋዕዋዕ ዝብል መንኰራዅርን፥ ምግላብ ኣፍራስን ድምፂ ዝጐያ ሰረገላታትን ይስማዕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ፈረሰኛ ይጋልብ፤ ሰይፊ ሃልሃል ይብል፤ ኲናትውን ማሕማሕ ይብል፤ ዝሞተ ብዙሕ እዩ፤ ቍፅሪ ዘይብሉ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተዀመረ፤ ማእለያውን የብሉን፤ ብሬሳኣቶም ከዓ ይዕንቀፉ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ዝኾነ ቅጥዒ ብዝሰኣነ ፅባቐ፥ መጋገዪትን ጠንቋሊትን ዘማዊትን ብምዃና እዩ፤ ንሳ ብዘማዊነታ ንኣህዛብ፥ ብጥንቁልናኣ ድማ ንወገናት ዝሸጠት እያ።</verse>
				<verse number="5">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተልዒለ እየ፤ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ፤ ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ።</verse>
				<verse number="6">ርኽሰት ኣብ ልዕሌኺ ኽድርቢ እየ፤ ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ።</verse>
				<verse number="7">ዝሪኡኺ ዅላቶም ካባኺ ኽሃድሙ፥ “ነነዌ ባደመት፤ መን ክበኽየላ እዩ? ዘፀናንዕዋኸ ኻበይ ክንደልየላ ኢና” ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="8">ንስኺ ኻብታ ኣብ መንጎ ሩባታት ዝተቐመጠት፥ ማይ ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዝነበረ፥ መከባብያኣ ኸዓ ባሕሪ ኻብ ዝኾነ ኻብ ኖእ ኣሞንዶ ትበልፂ ኢኺ?</verse>
				<verse number="9">ኢትዮጵያን ግብፅን ዘይቍፀራ ሓይላ ነበራ፤ ፉጥን ሊብያንውን ሓገዝታ ነበራ።</verse>
				<verse number="10">ግናኸ ንሳ ተማሪኻ ፈለሰት፤ ህፃናታ ድማ ኣብ ኵሉ መንገድታት ተጨፍለቑ። ኣብ ልዕሊ ኽቡራት ሰባታ ዕፃ ኣውደቑሎም፤ ኵሎም ዓበይታውን ብሰንሰለት ተኣሰሩ።</verse>
				<verse number="11">ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።</verse>
				<verse number="13">እንሆ፥ እቶም ኣብ ማእኸልኪ ዘለዉ ህዝብኺ ኣንስቲ ኮኑ። እተን ደገታት ሃገርኪ፥ ንፀላእትኺ ኽፉታት እየን፤ ነቲ መሀርሀሪታት ኣፍ ደገታትኪ ሓዊ በልዖ።</verse>
				<verse number="14">ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ።</verse>
				<verse number="15">ኣብኡ ሓዊ ኽበልዐኪ፥ ሰይፊ እውን ከጥፍአኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ኽበልዐኪ እዩ። ከም ኩብኵብታ ብዝሒ፥ ከም ኣንበጣውን ፍረዪ።</verse>
				<verse number="16">ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኽዮም። ኵብኩብታ ፋሕ ይብል፤ በሪሩውን ይኸይድ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዘውዲ ዝደፍኡ ኸም ኣንበጣ፥ እቶም ኣሕሉቕኪ ድማ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓፁር ዝሰፍር ዕስለ ዅብኩብታ እዮም። ፀሓይ ምስ በረቐት ይሃድሙ፤ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ኣይፍለጥን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ስብራትካ ፈውሲ የብሉን፤ ቍስልኻውን ዝኸፍአ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብሓጐስ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ኵልሻዕ ክፍኣትካ ዘይበፅሖ መን ኣሎ?</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="35">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ነቢይ እንባቆም ዝረኣዮ ፆር እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ እንተእዊ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዐኒ? “ግፍዒ በዝሐ” ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ኣየድሓንካን።</verse>
				<verse number="3">ስለ ምንታይ በደል ኣርአኻኒ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ዓመፅ እትምልከት? ጥፍኣትን ግፍዕን ኣብ ቅድመይ እዩ። ባእስን ክርክርን ከዓ ይለዓል ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">“ኣቱም እትንዕቑ ሓደ እንተ ተረኸልኩምኳ ዘይትኣምንዎ ስራሕ፥ ኣብ ዘመንኩም እሰርሕ ኣለኹሞ ረአዩ፤ ተመልከቱ፤ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ዘፍርሑን ዘደንግፁን እዮም፤ ፍርዶምን ክብረቶምን ካብኣቶም ይወፅእ።</verse>
				<verse number="8">“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።</verse>
				<verse number="9">“ኵላቶም ክዕምፁ ይመፁ፤ ገፆምውን ከም ንፋስ ምብራቕ የቕንዑ። ምሩኻት ከዓ ኸም ሑፃ ይእክቡ።</verse>
				<verse number="10">ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”</verse>
				<verse number="12">ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን? ንሕና ኣይንመውትን፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንፍርዲ ኣንበርካዮ፤ ኦ ኸውሐይ ንተግሳፅውን ገበርካዮ።</verse>
				<verse number="13">ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?</verse>
				<verse number="14">ስለ ምንታይከ ንሰባት፥ ከምቶም ዓሳ ባሕርን፥ ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምታን እትገብሮም?</verse>
				<verse number="15">ንዅላቶም ብመቝለብ የውፅኦም፤ ብመርበብውን ይሕዞም፤ ብመፃወዲኡ ድማ ይእክቦም፤ በዙይውን ተሓጒሱ ዕልል ይብል።</verse>
				<verse number="16">ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝዛረበንን፥ ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከዓ፥ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፥ ኣብ ልዕሊ እምባውን ክድይብ እየ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰለይ፦ “እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።”</verse>
				<verse number="4">እንሆ ነፍሱ ተዓብያ እያ፤ ኣብ ውሽጡውን ቅንዕቲ ኣይኮነትን፤ ፃድቕ ግና ብእምነቱ ብህይወት ይነብር።</verse>
				<verse number="5">ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም።</verse>
				<verse number="6">እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ?</verse>
				<verse number="7">እቶም ዝነኽሱኻ ድንገትዶ ኣይለዓሉኻን? እቶም ዘጨንቑኻ ኽነቕሑ እዮም፤ ነኣኣቶምውን ዘመተኦም ክትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ!</verse>
				<verse number="10">ንብዙሓት ህዝብታት ኣጥፊእኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛኻ ውርደት መኸርካ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስኻውን ሓጢኣት ገበርካ።</verse>
				<verse number="11">እምኒውን ካብ ውሽጢ መንደቕ ከእዊ፥ ዕንፀይትውን ካብ ውሽጢ ውቕሮ ኽምልሰሉ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ!</verse>
				<verse number="13">እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።</verse>
				<verse number="15">ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ!</verse>
				<verse number="16">ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም?</verse>
				<verse number="19">እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ናይ ነቢይ እንባቆም ፀሎት ብመዝሙር።</verse>
				<verse number="2">ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፥ እቲ ቅዱስውን ካብ እምባ ፋራን ይመፅእ ኣሎ፤ ክብሩ ንሰማያት ከደነ፤ ምስጋናኡ ድማ ንምድሪ መልኣ።</verse>
				<verse number="4">ነፀብራቑ ኸም ብርሃን እዩ፤ ካብ ኢዱ ጩራ ወፀ፤ ሓይሉውን ኣብኡ ተሓብአ።</verse>
				<verse number="5">ፌራ ቀቕድሚኡ ይኸይድ፤ ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ኻብ እግሩ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="6">ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤ ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤ እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤ እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤ መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።</verse>
				<verse number="7">ድንኳናት ኢትዮጵያ ኽጭነቑ እንተለዉ ረአኹ፤ መጋረጃታት ምድሪ ምድያም ከዓ ኣንቀጥቀጡ።</verse>
				<verse number="8">ብሓቂዶ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሩባታት ተቘጢዑ እዩ? ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ሩባታት፥ መዓትካ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ? በፍራስካን ብምድሓን ሰረገላታትካን ተቐሚጥካ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ብቓልካ ዝመሓልካዮ፥ መቅሰፍትኻ ኣውፃእኻ፤ ቀስትኻውን ገተርካ፤ ንምድሪ ሰንጢቕካ ሩባታት ኣውፃእኻ።</verse>
				<verse number="10">እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤ ሞገድ ማያት ሓለፈ፤ ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤ ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="11">ብብርሃን ፍላፃታትካን፥ ብምንፅብራቕ ማሕማሕ ዝብል ኲናትካን፥ ፀሓይን ወርሕን ኣብ ዘዘለዋኦ ቖማ።</verse>
				<verse number="12">ንምድሪ ብመዓትካ ሓለፍካያ፤ ንኣህዛብውን ብቝጥዓኻ ኣኼድካዮም።</verse>
				<verse number="13">ንምድሓን ህዝብኻን፥ ንምድሓን ቅቡእኻን ወፃእኻ፤ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕኻ፥ ርእሲ ቤት እቲ ሓጥእ ቀጥቀጥካ።</verse>
				<verse number="14">ንርእሲ እቶም ኣሕሉቕ፥ ብገዛ ዅናቶም ወጋእኻ፤ ንኣይ ክብትኑ፥ ከም ኣውሎ ነፋስ ኮይኖም መፁ፤ ነቲ ሽግረኛውን፥ ብስውር ምውሓጥ ደስታኦም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ነፍራስካ ብባሕሪ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ኣርገፅካ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤ ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤ ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥ ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥ ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥ ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥ ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥</verse>
				<verse number="18">ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="19">ጐይታ እግዚኣብሄር ሓይለይ እዩ፤ ንሱ ነእጋረይ ከም ኣእጋር ዋልያ ይገብረን፤ ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ከም ዝኸይድ ይገብረኒ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="36">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከጥፍኦ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">“ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”</verse>
				<verse number="7">መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያሞ፤ እግዚኣብሄርውን መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ፥ ነቶም ዕዱማቱ ኸዓ ቀዲስዎም እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="8">“በታ መዓልቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ንዅሎም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዝኽደኑን ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="10">“በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።</verse>
				<verse number="12">“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ።</verse>
				<verse number="13">ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”</verse>
				<verse number="14">እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፤ የመናውን ቀልጢፋ ኣላ። ድምፂ እታ መዓልቲ እቲኣ መራር እያ፤ ሽዑ ጅግና እኳ ኣምሪሩ ኸእዊ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ።</verse>
				<verse number="16">ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።</verse>
				<verse number="17">“ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ሰሪሖም እዮምሞ፥ ከም ዕውር ክሳዕ ዝኸዱ ንሰባት ከጨንቖም እየ፤ ደሞም ከም ማይ ክፈስስ፥ ስጋኦም ከዓ ኸም ጐሓፍ ክጐሓፍ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።</verse>
				<verse number="4">ጋዛ ኽትብዝበዝ እያ፤ ኣስቃሎንውን ክትባድም እያ። ንኣዛጦን ከዓ ብቐትሪ ናብ ወፃኢ ኽሰጕዋ እዮም፤ ኣስቀሎና ድማ ኽትንቀል እያ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ከሊታውያን፥ ወይለኦም! ኦ ከነዓን ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ፤ ዝነብረካ ሰብ ክሳዕ ዘይርከብ ድማ ኸጥፍአካ እየ።</verse>
				<verse number="6">ቀርጤስውን መንበሪ ጓሶትን፥ ደምበ መጓሰን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።</verse>
				<verse number="8">“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”</verse>
				<verse number="10">ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፥ ብሰይፈይ ክትቕተሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ንሳ ናይ ኵሎም ኣህዛብ እንስሳ ዝዔማላ ስፍራ ኽትከውን እያ። ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ኣብቲ ዝፈረሰ ጕልላታ ኽሓድሩ እዮም፤ ድምፆም ከዓ ኻብቲ መሳዅታ ኽስማዕ እዩ። ኳዃት ኣብ ልዳውታ ኾይኖም ከድምፁ እዮም፤ እቲ ብፅሕዲ ሊባኖስ ዝተሰርሐ ስርሓት ድማ ኽቕላዕ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ነታ ዓላዊትን ርኽስትን፥ እትገፍዕን ከተማ፥ ወይለኣ!</verse>
				<verse number="2">ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኣሕሉቓ ከም ዝጓዝሙ ኣናብስ እዮም፤ ፈራዶኣውን፥ ንንግሆ ሓደ እኳ ኸም ዘየትርፉ ጥሙያት ተዃሉ ምሸት እዮም።</verse>
				<verse number="4">ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ንኣህዛብ ኣፅነትክዎም፤ ንግምብታቶም ድማ ኣዕነኹወን፤ ንመንገድታቶምውን፥ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን ኣባደምክወን። ከተማታቶም ከዓ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን ዓነዋ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”</verse>
				<verse number="8">“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ፋሕ ዝበሉ ናባይ ዝምህለሉ ደቀይ፥ ካብ ክንየው ሩባታት ኢትዮጵያ እንተይተረፈ መባእ ከምፅኡለይ እዮም።</verse>
				<verse number="11">በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”</verse>
				<verse number="14">ኦ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ፤ ኦ እስራኤል ብሓጐስ ዕልል በል፤ ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብምሉእ ልብኺ ተሓጐሲ፤ ደስ ከዓ ይበልኪ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንመቕፃዕትኺ ኣርሓቖ፤ ንፀላእትኺ ሰጐጎም፤ ንጉስ እስራኤል እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልኪ ኣሎ፤ ድሕሪዙይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣይትርእዪን።</verse>
				<verse number="16">በታ መዓልቲ እቲኣ ንኢየሩሳሌም፥ “ኦ ኸተማ ፅዮን፥ ኣይትፍርሒ፤ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።</verse>
				<verse number="18">ነቶም ኣብ ጉባኤ ርሒቖም ዝሓዝኑ፥ ነቶም ካባኺ ዝኾኑ ኽእክብ እየ፤ ፀርፊ ኸም ፆር ከቢድዎም ነይሩ።</verse>
				<verse number="19">እንሆ፥ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሎም ነቶም ዝጭቁኑኹም ክፃረሮም እየ፤ ነቶም ዝሓንከሱ ኸድሕኖም፥ ነቶም ዝተሰደዱ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ።</verse>
				<verse number="20">በቲ ጊዜ እቱይ ክመልሰኩም እየ፤ በቲ እዋን እቱይ ክእክበኩም እየ፤ ምርኮኹም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ምስ መለስኩልኩም፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="37">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።</verse>
				<verse number="2">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ‘ቤት እግዚኣብሄር ዝስርሐሉ እዋን ኣይበፅሐን’ ይብሉ ኣለዉ” በለ።</verse>
				<verse number="3">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦</verse>
				<verse number="4">“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?</verse>
				<verse number="5">እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ?</verse>
				<verse number="6">ብዙሕ ዘራእኹም፥ ግና ውሑድ ኣእተኹም። በላዕኹም፥ ግና ኣይፀገብኩምን፤ ሰተኹም፥ ግና ኣይረወኹምን፤ ተኸደንኩም፥ ግና ኣይሞቘኩምን፤ ደሞወዝ ተቐበልኩም ግና ኣብ ቀዳድ ከረጢት ከም ምቕማጥ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ?</verse>
				<verse number="8">ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብሰንኪ እዙይ እውን ሰማይ ኣውሊ ኸልከለ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ኸልአት።</verse>
				<verse number="11">ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሓጌ እቲ ልኡኽ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ፥ በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተናገረ።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="15">እዙይ ዝኾነውን ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት፥ ብሻድሻይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፥ ብነቢይ ሓጌ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦</verse>
				<verse number="2">ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦</verse>
				<verse number="3">“ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="4">ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="5">ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ።</verse>
				<verse number="7">ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="8">እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="10">ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦</verse>
				<verse number="11">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="15">“እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ።</verse>
				<verse number="16">ሓደ ሰብ ዕስራ መስፈሪ ናብ ዝርከቦ ምህርቲ እኽሊ ምስ መፀ፥ ዓሰርተ መስፈሪ ጥራሕ ረኸበ፤ ሓምሳ ዕትሮ ወይኒ ንምቕዳሕ ናብ መፅመቚ እንተ ኸደ፥ ዝተረኽበ ዕስራ ጥራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ።</verse>
				<verse number="19">እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”</verse>
				<verse number="20">ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ።</verse>
				<verse number="21">“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤</verse>
				<verse number="22">ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ኦ ባርያይ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኽወስደካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፥ ከም ቀለበት ማሕተም ክገብረካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="38">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።</verse>
				<verse number="2">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም?</verse>
				<verse number="6">ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።</verse>
				<verse number="7">ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፦ “እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኽመላለሱ እግዚኣብሄር ዝለኣኾም እዮም” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።</verse>
				<verse number="17">እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።</verse>
				<verse number="18">ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።</verse>
				<verse number="20">መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ።</verse>
				<verse number="21">ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ክገብሩ መፁ?” በልኩ። ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፥ ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እዚኣቶም ግና ኸፍርሕዎም፥ ንሃገር ይሁዳ ኽብትኑ ቀርኖም ንዘልዕሉ ኣህዛብውን ምእንቲ ኸውድቑ ዝመፁ እዮም” ኢሉ ተናገረኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ኸዓ “ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ?” ኢለ ጠየቕክዎ። ንሱ ድማ “ንውሓትን ስፍሓትን ኢየሩሳሌም ክንደይ ከም ዝኾነ ኽልክዕ፥ እኸይድ ኣለኹ” በለኒ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ።</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="5">‘ኣነ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኾነላ፤ ኣብ ውሽጣውን ክብሪ ክኸውን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።”</verse>
				<verse number="6">“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ፅዮን ኮብልሊ።</verse>
				<verse number="8">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።”</verse>
				<verse number="9">“እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢደይ ከልዕል እየ፤ ግዙኣቶም ዝነበሩ ኸዓ ኽዘምትዎም እዮም፤ ሽዑ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="10">“ኦ ጓል ፅዮን፥ ኣነ መፂአ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየሞ፥ ዕልል በሊ ዘምሪ ደስውን ይበልኪ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ንሱውን ነቲ ዓብዪ ኻህን ኢያሱ፥ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቆይሙ ኣርኣየኒ፤ ሰይጣንውን ክኸሶ ብየማኑ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ሰይጣን “ኣታ ሰይጣን፥ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እዝ ሰብ እዙይ ካብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግዶ ኣይኮነን?” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኢያሱ ኸዓ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ንሱውን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣወግድዎ” በሎም። ንኢያሱ ድማ “ንእኡውን እንሆ፥ በደልካ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፤ ዝበለፀ ኽዳውንቲ እውን ክኸድነካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">መሊሱ ድማ “ኣብ ርእሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጥሙሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጠሙሉ፤ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጥቓኡ ቖይሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ኣሰምዐሉ፦</verse>
				<verse number="7">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ።</verse>
				<verse number="8">እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ዘንበርክዎ እምኒ እንሆ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሸውዓተ ኣዒንቲ ኣለዉዎ፤ እንሆ ነቲ ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ዓይኒ ኣለዎ፤ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕሊኡውን ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንበደል እታ ምድሪ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸወግዶ እየ።</verse>
				<verse number="10">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑ ኾይኑ ንብፃዩ ኽዕድም እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።</verse>
				<verse number="2">“ንሱ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ድማ በለኒ። ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ጥቓአን ድማ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፥ እታ ሓንቲውን ኣብ ፀጋሙ ነበራ” በልኩ።</verse>
				<verse number="4">መሊሰ፥ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።</verse>
				<verse number="6">መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="9">“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”</verse>
				<verse number="11">ብድሕሪኡ ነቲ መልኣኽ “እዞም ብየማነ ፀጋም እዝ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዉ፥ ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="12">ደጊመውን “እቶም ኣብ ጥቓ እቶም ክልተ ሻምበቆታት ወርቂ፥ ዘይቲ ዘውሕዙ ኽልተ ጨናፍር ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">መሊሰውን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ከዓ ዝወርዳ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ እርኢ ኣለኹ” በልክዎ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “እዙይ እቲ ኣብ ኵላ ገፅ ምድሪ ዝወፅእ መርገም እዩ፦ ኵሉ ዝሰርቕ፥ ብመጠን እቲ ኣብ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ኽድምሰስ እዩ፤ ብሓሰት ዝምሕል ከዓ፥ ከምቲ ኣብቲ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ክድምሰስ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”</verse>
				<verse number="5">እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ “እዚኣ ኽፍኣት እያ” ኢሉ ናብ መስፈሪ ኢፍ መሊሱ ደርበያ። ነቲ መኽደን እቲ ዓረር፥ ድማ ናብ ኣፍ እቲ መስፈሪ ኢፍ ደርበዮ።</verse>
				<verse number="9">መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “ነዝ መስፈሪ ኢፍ፥ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ኣብቲ ቐዳማይ ሰረገላ ሃመራት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ኻልኣይ ሰረገላ ኸዓ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ኣብቲ ሳልሳይ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ራብዓይ ሰረገላ ድማ ዝንጕርጕር ኣፍራስ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ኸዓ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣቶምከ እንታይ እዮም?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="5">እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”</verse>
				<verse number="6">እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ብርቱዓት ኣፍራስ እንትወፁ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ንምምልላስ ይደልዩ ነበሩ። ንሱውን “ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ንምድሪ ተመላለስዋ።</verse>
				<verse number="8">ካብኡ ዓው ኢሉ “እንሆ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ዝወፁ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣዕሪፎምዎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="9">መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="10">“ካብቶም ካብ ባቢሎን ዝመፁ ምሩኻት፥ ካብ ሔልዳይን ካብ ጦብያን ካብ ኢዮዳኤምን ውሰድ፤ በቲ መዓልቲ እቱይ ኬድካ፥ ናብ ወዲ ሶፎንያስ ናብ ቤት ኢዮስያስ እቶ።</verse>
				<verse number="11">ወርቅን ብሩርን ወሲድካ ድማ ኣኽሊላት ስራሕሞ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ዓብዪ ካህን ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅ ድፍኣዮም።</verse>
				<verse number="12">ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣኽሊላት ድማ ንሔሌምን ንጦብያን ንዮዳኤምን ንወዲ ሶፎንያስን ንሔንን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክኾኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።</verse>
				<verse number="2">ሰብ ቤቴልውን ንሳራሳርን ንሬጌሜሌክን ንሰባቶምውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክልምኑ፥</verse>
				<verse number="3">ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦</verse>
				<verse number="5">“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?</verse>
				<verse number="6">ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩምስ፥ ንርእስኹምዶ ኣይኮነን ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩም?’ ”</verse>
				<verse number="7">ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?</verse>
				<verse number="8">ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦</verse>
				<verse number="9">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።</verse>
				<verse number="10">ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’</verse>
				<verse number="11">“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።</verse>
				<verse number="12">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="2">“ብዛዕባ ፅዮን ዓብዪ ቅንኣት ቀኒአላ ኣለኹ፤ ምእንታኣውን ብዓብዪ ቍጥዓ ቀኒአ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምኡውን ኣረጋውያን ሰብኡትን፥ ኣረጋውያት ኣንስትን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም መሊሶም ክቕመጡ እዮም፤ ዕድመኣቶም ስለ ዝነውሐ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ምርኩስ ኣብ ኣእዳዎም ክሕዙ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።”</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤</verse>
				<verse number="8">ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “መቕደሱ ኽስራሕ፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝተመስረተሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ካብ ኣፍ ነቢያት በዝ ዘመን እዙይ፥ እዝ ቓል እዙይ ዝሰማዕኹም ንስኻትኩም፥ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።</verse>
				<verse number="10">ቅድሚ እተን ኣዋርሕ እቲኣተን ንሰብን፥ ንእንስሳን ዋጋ ውዕሎ ኣይነበሮን፤ ኣነ ድማ ንዅሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣተሲአ ነይረ እየሞ፥ ካብ ኣጨናቒ ዝተልዓለ ንዝኣቱን ንዝወፅእን ሰላም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።”</verse>
				<verse number="14">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፦ “ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ከምፅኣሎም ሓሰብኩ፤ ኣይተናሳሕኹንውን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="15">ከምኡ ድማ ሕዚ ንኣኻትኩም ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን፥ ሰናይ ክገብረልኩም ሓሲበ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኽትገብርዎ ዝግብአኩም ነገር እዙይ እዩ፦ ምስ ብፆትኩም ሓቂ ተዘራርቡ፤ ኣብ ባይቶኹምውን ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።</verse>
				<verse number="17">ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="18">ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤</verse>
				<verse number="19">“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”</verse>
				<verse number="20">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ንምልማን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይ፥ ንዑ ቀልጢፍና ንኺድ፤ ኣነ ባዕለይውን ክኸይድ እየ እናበሉ፥ ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም።</verse>
				<verse number="23">በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ፆር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሴድራክ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደማስቆውን ይዓርፍ፤ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገድ እስራኤልን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ።</verse>
				<verse number="5">ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን።</verse>
				<verse number="6">“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።</verse>
				<verse number="7">ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”</verse>
				<verse number="9">ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="11">“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ንይሁዳ ኸም ቀስቲ፥ ንኤፍሬም ከዓ ኸም ፍላፃ ኽገብሮም እየ፤ ኦ ፅዮን፥ ንደቅኺ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ግሪኽ ከልዕሎም እየ፤ ንኣኺውን ከም ሰይፊ ሓያል ክገብረኪ እየ።”</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="16">በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ከም መጓሳ ኣባጊዕ ከድሕኖም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኣብ ዘውዲ ዘሎ ኽቡር ኣዕናቝ ዘንፀባርቕ፥ ከምኡ ኣብ ምድሩ ኸንፀባርቑ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን።</verse>
				<verse number="3">ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ።</verse>
				<verse number="4">ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።</verse>
				<verse number="6">“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ሰባት ኤፍሬም ከም ሓያላት ሰባት ክኾኑ እዮም፤ ልቦምውን ወይኒ ኸም ዝሰተየ ሰብ ክሕጐስ እዩ። ደቆምውን ነዙይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም፤ ልቦምውን ብእግዚኣብሄር ሓሴት ክገብር እዩ።”</verse>
				<verse number="8">“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤ ብሓደ ኽእክቦም እየ፤ ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ኣብ መንጎ ህዝብታት እኳ እንተ በተንክዎም፥ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን፥ ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።</verse>
				<verse number="10">ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤ ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤ ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤ ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።</verse>
				<verse number="11">ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።</verse>
				<verse number="2">ኣታ ኦም ፅሕዲ፥ ዝግባ ሊባኖስ ወዲቑ እዩሞ፥ ክቡራትውን ጠፊኦም እዮምሞ፥ ዋይ ዋይ በል። ኣቱም ኣእዋም ባሳን፥ እቲ ፀምፀም ዱር ተቘሪፁ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።</verse>
				<verse number="3">ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዙይ ይብል፦ “እተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ ሓሉ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ዓደግተን ክሓርድወን እዮም፤ ንርእሶም ከዓ ኸም በደልቲ ገይሮም ኣይቘፅሩን። እቶም ሸየጥተን ከዓ ‘ንሕና ሃብቲምና ኢናሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን’ ይብሉ። ጓሶተንውን ኣይርህሩሁለንን።”</verse>
				<verse number="6">“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="7">ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ።</verse>
				<verse number="9">“ኣነ ንኣኻትኩም ኣይሕሉን፤ እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ዝጠፍእ ይጥፋእ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ስጋ ንስንሳቱ ይባላዕ” በልኩ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ድማ “ባህ እንተይሉኩም ዓስበይ ሃቡኒ፤ ደስ እንተ ዘይሉኩም ድማ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዓስበይ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር መዘኑ።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ዓስበይ “ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መዛግብቲ ኣንብሮ” በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ወሲደ፥ ኣብቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ቤተ መዛግብቲ ኣንበርክዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ክሰብር፥ ነታ “መእሰሪ” ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ።</verse>
				<verse number="16">“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።</verse>
				<verse number="17">መጓሰኡ ንዝሓድግ ሰነፍ ጓሳ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልፅሙን፥ የማናይ ዓይኑን ክኸውን እዩ። ቅልፅሙ ፈፂማ ኽትሰልል፥ የማነይቲ ዓይኑውን ክትዓውር እያ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="2">“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="3">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም።</verse>
				<verse number="4">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="6">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።</verse>
				<verse number="7">“እግዚኣብሄር ድማ ኽብሪ ቤት ዳዊትን ክብሪ ኢየሩሳሌምን ኣብ ክብሪ ይሁዳ ኸይዕበ፥ መጀመርታ ንመንበሪታት ይሁዳ ኸድሕን እዩ።</verse>
				<verse number="8">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።</verse>
				<verse number="9">በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።</verse>
				<verse number="10">“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።</verse>
				<verse number="11">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="12">እታ ምድሪ ኸዓ ኽትበኪ እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፥ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፥ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፥ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥</verse>
				<verse number="13">ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፥ ኣንስቶም ከዓ ንበይነን፥ ዓሌት ሰሜኢ ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ ኮይኖም ክበኽዩ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን ኮይነን ክበኽያ እየን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።</verse>
				<verse number="2">በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም።</verse>
				<verse number="4">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ግና ‘ኣነ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ንሰብ እግዛእ ስለ ዝነበርኩ፥ ስራሐይ ማሕረስ እምበር ነቢይ ኣይኮንኩን’ ይብል።</verse>
				<verse number="6">ሰብ ድማ ‘እዝ ኣብ ማእኸል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ ደኣ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንትጥይቖ፥ ንሱ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ቝስሊ እዩ’ ይብል።”</verse>
				<verse number="7">ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">እንሆ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ፤ ዝዘመቱኺ ኸዓ ኣብ ውሽጥኺ ኽማቐልዎ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="4">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብቲ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ደብረ ዘይት፥ ኣእጋሩ ኽቖማ እየን። ደብረ ዘይት ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ፥ ኣብ ክልተ ኽስንጠቕ እዩ። የመና ዓብዪ ለሰውን ክኸውን እዩ። ፍርቂ እቲ እምባ ናብ ሰሜን፥ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክሰሓብ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="6">በታ መዓልቲ እቲኣ በረድን ኣስሓይታን እምበር ብርሃን ኣይኸውንን።</verse>
				<verse number="7">ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ማይ ህይወት ካብ ኢየሩሳሌም ክውሕጅ እዩ፤ ፍርቁ ናብ ምስራቓዊ ባሕሪ፥ ፍርቁ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽፈስስ እዩ። እዙይ ብሓጋይን ብኽረምትን ይኸውን።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።</verse>
				<verse number="11">ህዝቢ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ብድሕሪኡ ርግማን ኣይኸውንን፤ ኢየሩሳሌም ሃዲኣ ብሰላም ክትነብር እያ።</verse>
				<verse number="12">እግዚኣብሄር ነቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ኣህዛብ ዝወቕዐሉ መቕሰፍቲ እዙይ እዩ፤ ገና ብእግሮም ቆይሞም እንተለዉ ስጋኦም ክብስብስ እዩ፤ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን እንተለዋ ኽብስብሳ እየን፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም እንተላ ኽትብስብስ እያ።</verse>
				<verse number="13">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዓብዪ ራዕዲ ኽወርድ እዩ። ንስንሳቱ ኢድ ብፃዩ ኽሕዝ እዩ፤ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ኽለዓል እዩ።</verse>
				<verse number="14">ይሁዳ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኽዋጋእ እዩ፤ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፥ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ድማ ኽእክብ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኻብቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ኣህዛብ፥ ካብ ሞት ዝተረፉ ዅሎም፥ ነቲ ንጉስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምስጋድን በዓል ዳስ ንምኽባርን፥ በብዓመቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ነቲ ንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደዪቦም፥ ዝናም ኣይዘንቦምን እዩ።</verse>
				<verse number="18">ግብፃውያን ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደየቡን በዓል ዳስ እንተ ዘየብዓሉን፥ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዘይድይቡ ኣህዛብ፥ ዝቐፅዐሉ መዓት ከውርደሎም እዩ።</verse>
				<verse number="19">እዙይ ቅፅዓት ግብፅን፥ ቅፅዓት እቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ።</verse>
				<verse number="20">በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዘሎ ድስትታት፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እቶም መስዋእቲ ኽስውኡ ዝመፁ ዅላቶም፥ ነቲ ድስትታት ብምውሳድ ከዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኸብስልዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብታ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከነዓናዊ ኸቶ ኣይህሉን እዩ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="39">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብኢድ ሚልክያስ ንእስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">“ኣነ ፈትየኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ፈተኻና? ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳው ሓው ያእቆብዶ ኣይነበረን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንያእቆብ ፈተኹ፤</verse>
				<verse number="3">ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”</verse>
				<verse number="4">ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”</verse>
				<verse number="5">ነዙይ ብዓይንኹም ክትርእይዎ ኢኹም። “ንስኻትኩም ከዓ፥ ካብ ወሰን እስራኤል ንንየው እኳ እግዚኣብሄር ዓቢዪ ይኹን” ኽትብሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="7">“ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጀራ ተቕርቡ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ‘ዘርከስናካ ብኸመይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="8">ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ እውን ፀጋ ምእንቲ ኽህበና ንእግዚኣብሄር ለምኑ። ከምዙይ ዝዓይነቱ መስዋእቲ ሒዝኩም እንተ እትቐርቡ ይቕበለኩምዶ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="10">“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ንስኻትኩም ግና ‘ማእዲ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ’ ፍረኡን ምግቡን፥ ዝተንዓቐ እዩ፤ ብምባል ተቃልሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="13">መሊስኩም፥ እዙይ ድኻም እዩ ብምባል ፂቕ በልኩምሉ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከቲርኩም ንዝሓዝኩምዎ፥ ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ፥ መስዋእቲ ጌርኩም እንትተቕርቡ፥ ካብ ኢድኩም ክቕበል ድየ? ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="3">ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="5">ቃል ኪዳነይ ምስኡ፥ ኪዳን ህይወትን ሰላምን ነበረ። ምእንቲ ኽፈርሕ ንኣኣቶም ሃብክዎ፤ ንሱውን ፈርሐኒ፤ ካብ ስመይ ዝተልዓለውን ደንገፀ።</verse>
				<verse number="6">ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ።</verse>
				<verse number="10">ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?</verse>
				<verse number="11">ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ነዙይ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቍርባን እንተምፀአ እኳ፥ እግዚኣብሄር ካብ ድንኳን ያእቆብ ከወግዶ እዩ።</verse>
				<verse number="13">እትገብርዎ ኻልእ ነገር ከዓ፦ “ንመስዋእቲ ስለ ዘይጥምቶ፥ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘይቕበሎን” ንመሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይ ዋይታን ሸፈንኩምዎ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል።</verse>
				<verse number="16">ምፍታሕ እፀልእ እየ፤ ይብል ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር። ንኽዳኑ፥ ብግፍዒ ተግባር ንዝሽፍን ሰብ እፀልእ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስለዙይ ከይተታልሉ መንፈስኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="17">ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">“እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ግና፥ ከም ሓዊ ኣንጠረኛ፥ ከም ሳሙና ሓፃቢ እዩሞ፥ ነታ ንሱ ዝመፀላ መዓልቲ መን ክፃወራ ይኽእል? ንሱ ኽግለፅ እንተሎኸ፥ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ መስዋእቲ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ከምተን ዝሓለፋ ዓመታትን፥ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመንን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="6">“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን።</verse>
				<verse number="7">ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="8">ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ይሰርቆ እዩ? ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም። ንስኻትኩም ግና ‘ከመይ ኢና ዝሰረቅናካ?’ ትብሉ ኣለኹም። ብኣስራትን ብበዅራትን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻትኩምን ኵሉ እቲ ህዝብን ስለ እትሰርቁኒ፥ ብመርገም ዝተረገምኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ቤተይ መብልዕ ምእንቲ ክኸውንስ፥ ንዅሉ ኣስራት ናብ ቤተ መዛግብቲ ኣእትዉ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ምድሪኹም ምድሪ ሓጐስ ስለእትኸውን፥ ኵሎም ኣህዛብ ‘ዝተባረኸ ህዝቢ’ ኢሎም ክፅውዑኹም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="13">“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="14">ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’</verse>
				<verse number="15">ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="16">በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።</verse>
				<verse number="17">“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="2">ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="4">“ነቲ ንዅሎም እስራኤል፥ ሕግጋትን ስርዓትን ክኸውን ኢለ፥ ንባርያይ ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ ዘክርዎ።</verse>
				<verse number="5">“እንሆ፥ እታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ መፂአ ንምድሪ ብመርገም ከየጥፍኣስ፥ ንሱ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ንልቢ ደቂ ኸዓ ናብ ኣቦታቶም ክምልስ እዩ።”</verse>
			</chapter>
		</book>
	</testament>
	<testament name="New">
		<book number="40">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦</verse>
				<verse number="2">ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥</verse>
				<verse number="3">ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥</verse>
				<verse number="4">ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥</verse>
				<verse number="5">ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥</verse>
				<verse number="6">እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ። ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥</verse>
				<verse number="7">ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥</verse>
				<verse number="8">ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥</verse>
				<verse number="9">ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥</verse>
				<verse number="10">ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥</verse>
				<verse number="11">ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥</verse>
				<verse number="13">ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥</verse>
				<verse number="14">ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥</verse>
				<verse number="15">ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥</verse>
				<verse number="16">ያእቆብ ድማ ክርስቶስ ንዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕፁይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት።</verse>
				<verse number="19">ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="20">እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።</verse>
				<verse number="21">ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="22">እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="23"></verse>
				<verse number="24">ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤</verse>
				<verse number="25">[በዅሪ] ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሑ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ንጉስ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንገፀ፤ ኵሎም ህዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገፁ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ከዓ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉስ ካባኺ ኽወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል፥ ብነቢይ ተፅሒፉ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ድሕሪዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብሕቡእ ፀዊዑ፥ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣፀቢቑ ተረድአ።</verse>
				<verse number="8">ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መፂአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህፃን ዝነበራ ቦታ መፂኡ ኽሳዕ ዝቐውም መርሖም።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="11">ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።</verse>
				<verse number="12">ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም፥ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ዮሴፍ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ብለይቲ ናብ ግብፂ ኸደ።</verse>
				<verse number="15">እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኽፍፀም ድማ፥ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦</verse>
				<verse number="17">“ኣብ ራማ ድምፅን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ ሞይቶም እዮም እሞ፥ ምፅንናዕ ኣበየት” ዝተብሃለ ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥</verse>
				<verse number="20">“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ።</verse>
				<verse number="22">ግና ኣርኬላኦስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ፥ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ሰሚዑ፥ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። ብሕልሚ ምስ ተገለፀሉ ድማ፥ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">በቲ ወርሓት እቱይ መጥምቕ ዮሃንስ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ፥ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መፀ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገዱውን ኣቕንዑ’ ኢሉ፥ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ” ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኵሎም ሰብ ይሁዳን፥ ኵሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመፁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሃንስ ይጥመቑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ክጥመቑ እንትመፁ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም?</verse>
				<verse number="8">እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።</verse>
				<verse number="9">ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="12">ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኢየሱስ፥ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መፀ።</verse>
				<verse number="14">ዮሃንስ ግና “ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር፥ ንስኻዶ ናባይ ትመፅእ!” ኢሉ ኣበዮ።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንትቕመጥ ረአየ።</verse>
				<verse number="17">እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ፥ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="2">ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ግና “ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።</verse>
				<verse number="6">“ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥ በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥</verse>
				<verse number="9">“ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪዙይ ዲያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ፥ ዮሃንስ ከም ዝተኣሰረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ኣውራጃ ገሊላ ኣግለሰ።</verse>
				<verse number="13">ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም ከይዱ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="14">እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦</verse>
				<verse number="15">“ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፥ መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣህዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ፥</verse>
				<verse number="16">ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="21">ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="22">ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="25">ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ኸተማታትን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከዓ ብዙሓት ህዝቢ ተኸተልዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብ እምባ ደዪቡ ተቐመጠ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐረቡ።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ እናበለ ድማ ኽምህሮም ጀመረ፦</verse>
				<verse number="3">“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="5">የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="6">ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="7">ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="8">ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="9">ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="10">ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።</verse>
				<verse number="11">“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”</verse>
				<verse number="13">“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።</verse>
				<verse number="14">“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።</verse>
				<verse number="15">መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን።</verse>
				<verse number="16">ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።</verse>
				<verse number="17">“ኣነ ንኦሪትን ንነቢያትን ክፍፅሞም ደኣ እምበር፥ ክስዕሮም ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም።</verse>
				<verse number="18">ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ፅድቅኹም ካብ ፅድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን የመና እንተ ዘይበሊፁ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፥ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">“ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ዝቐተለ ኽፍረዶ እዩ እሞ፥ ኣይትቕተል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="22">ኣነ ግና፥ ንሓዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ ዅሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንሓዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ፥ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ‘ኣታ ዓሻ’ ዝብሎውን፥ ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">እምበኣርከስ መባእኻ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምፂእኻ፥ ሓውካ ኸዓ ተቐይሙካ ምህላዉ ሽዑ እንተ ዘኪርካ፥</verse>
				<verse number="24">ነቲ መባእኻ ኣብኡ ኣብቲ ቕድሚ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድሞ፥ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፤ ደሓር ተመሊስካ መባእኻ ኣቕርብ።</verse>
				<verse number="25">ምስ መባእስትኻ ድማ፥ ገና ኣብ መንገዲ እንተለኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፤ እንተ ዘይኮነ እቲ መባእስትኻ፥ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ፈራዲ ድማ ናብ ሓሽከሩ ኸየሕልፈካ፥ እቲ ሓሽከሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ።</verse>
				<verse number="26">እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">“ነቶም ቀዳሞት ‘ኣይትዘሙ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="28">ኣነ ግና ዅሉ ንሰበይቲ ሪኡ ዝተመነያ፥ ብልቡ ፈፂሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="29">የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="30">የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="31">“ ‘ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ይሃባ’ ተብሂሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="32">ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ፥ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">“ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃብ እምበር፥ ብሓሰት ኣይትምሓል፥’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="34">ኣነ ግና ብሰማይ፥ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥</verse>
				<verse number="35">ወይ ብምድሪ መርገፂ እግሩ ስለ ዝኾነት፥ ወይ ብኢየሩሳሌም ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ ስለ ዝኾነት፥ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ፀጕሪ ርእስኻ፥ ሓንቲ ኽተፃዕዱ ወይ ክተፀልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ፥ ብርእስኻውን ኣይትምሓል።</verse>
				<verse number="37">ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።</verse>
				<verse number="38">“ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="39">ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።</verse>
				<verse number="40">እጀ ጠባብካ ኽወስድ ንዝቃለሰካ፥ ነፀላኻውን ሕደገሉ።</verse>
				<verse number="41">ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዘገድደካ፥ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።</verse>
				<verse number="42">ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።</verse>
				<verse number="43">“ ‘ብፃይካ ኣፍቅር፤ ፀላኢኻ ፅላእ’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="44">ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="45"></verse>
				<verse number="46">ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ተቐበልቲ ቐረፅስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="47">ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?</verse>
				<verse number="48">“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።</verse>
				<verse number="2">እምበኣርከስ ንስኻ ኽትምፅውት እንተለኻ፥ እቶም ግብዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎትን ኣውራ መንገድታትን ከም ዝገብርዎ፥ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ንሳቶም ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">“እቶም ግብዛት ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መንገድን፥ ደው ኢሎም ክፅልዩ ይደልዩ እዮም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።</verse>
				<verse number="7">“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ግና ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እንተይለመንኩምዎ፥ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም።</verse>
				<verse number="9">“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤</verse>
				<verse number="10">ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤</verse>
				<verse number="11">ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤</verse>
				<verse number="12">ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤</verse>
				<verse number="13">ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’</verse>
				<verse number="14">“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንሰባት በደሎም ይቕረ እንተ ዘይልኩምሎም ግና፥ ንኣኻትኩምውን ኣቦኻትኩም በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን።</verse>
				<verse number="16">“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ።</verse>
				<verse number="20">ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር።</verse>
				<verse number="21">ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።</verse>
				<verse number="22">“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።</verse>
				<verse number="23">ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ካብ ኮነ፥ ምፅልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ!</verse>
				<verse number="24">“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?</verse>
				<verse number="26">ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?</verse>
				<verse number="27">ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?</verse>
				<verse number="28">ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።</verse>
				<verse number="29">ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኸም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!</verse>
				<verse number="31">እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።</verse>
				<verse number="32">ነዙይ ኵሉስ ኣህዛብውን ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="33">ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።</verse>
				<verse number="34">እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">“ብትፈርድዎ ፍርዲ ኽፍረደኩም፤ ብትሰፍርዎ መስፈሪውን ክስፈረኩም እዩ እሞ፥ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ፥ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ?</verse>
				<verse number="4">ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ፥ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ‘ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ’ ትብሎ?</verse>
				<verse number="5">ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">“ተመሊሶም ከይነኽስኹም፥ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግፅዎ ድማ፥ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።”</verse>
				<verse number="7">“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ።</verse>
				<verse number="9">እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ካባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ?</verse>
				<verse number="10">ወይ ከዓ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ?</verse>
				<verse number="11">እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም?</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”</verse>
				<verse number="13">“በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="14">እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።”</verse>
				<verse number="15">“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="16">ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ?</verse>
				<verse number="17">ከምኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ኦም፥ ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ፥ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ።</verse>
				<verse number="18">ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።</verse>
				<verse number="20">እምበኣርከስ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።</verse>
				<verse number="22">በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።”</verse>
				<verse number="24">“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል።</verse>
				<verse number="25">ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን።</verse>
				<verse number="26">ዅሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዘይፍፅም ግና፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሑፃ ዝሰርሐ፥ ሰነፍ ሰብ ይመስል።</verse>
				<verse number="27">ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳት ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ወደቐውን፥ ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።”</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ወድአ፥ እቶም ህዝቢ ብትምህርቱ ተደነቑ።</verse>
				<verse number="29">ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኸዓ ሓደ ለምፃም ቀሪቡ፥ “ጐይታይ! እንተ ፈቒድካስ፥ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጐይታይ! ወደይ መፃጕዕ ኾይኑ፥ ኣብ ገዛ ደቂሱ የመና ይሳቐ ኣሎ” እናበለ ለመኖ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ድማ፥ “መፂአ ኸሕውዮ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ እኳ ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ፥ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="11">ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመፁ እዮም፤ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብንውን ክቕመጡ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፥ ንሓማት ጴጥሮስ ብረስኒ ተትሒዛ ደቂሳ ረኸባ።</verse>
				<verse number="15">ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ሓደጋ፤ ተሲኣ ድማ ኣገልገለቶም።</verse>
				<verse number="16">ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="19">ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ፥ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ!” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="24">እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ኦ ጐይታ! ኸይንመውት ኣድሕነና!” እናበሉ ኣንቅሕዎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በፅሐ፥ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ የመና ኽፉኣት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት፥ ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ።</verse>
				<verse number="29">እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="30">ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ኣጋንንቲ ድማ “እተውፅአና እንተ ዄንካስ፥ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ኪዱ!” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት፥ ናብቲ ባሕሪ ፀደፉ፤ ኣብቲ ባሕሪ እውን ጠሊቖም ሞቱ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ዝኾነን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="34">እንሆ ድማ ዅሎም ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደዪቡ ባሕሪ ምስ ተሳገረ፥ ናብ ዓዱ በፅሐ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዙይስ ንእግዚኣብሄር ይፃረፍ ኣሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ?</verse>
				<verse number="5">ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእሞ ኺድ!’ ምባል?</verse>
				<verse number="6">እምበኣርከስ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ተሲኡ ድማ ናብ ገዛኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ሪኦም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ ተኸተሎ።</verse>
				<verse number="10">ብድሕሪዙይ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ ማእዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="11">ፈሪሳውያን ከዓ ነዙይ ሪኦም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ስለ ምንታይ ይበልዕ?” በልዎም።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።</verse>
				<verse number="13">‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንፀውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለ ምንታይ እዮም ዘይፆሙ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ፥ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙን ክሓዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።</verse>
				<verse number="16">ሓድሽ ቝራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደ እኳ የለን፤ እቲ መልገባ ነቲ ጥዑይ ይቐዶ እዩ እሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ዝገደደ ይኸውን።</verse>
				<verse number="17">ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">እዝ ነገራት እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ፥ “ጓለይ ሕዚ ሕዚ ሞይታ! ነዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ኽትሓዊ እያ” እናበለ ሰገደሉ።</verse>
				<verse number="19">ጐይታ ኢየሱስ ድማ ተሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተሎ።</verse>
				<verse number="20">እንሆ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ፥ “ዘፈር ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ ብልባ ትሓስብ ስለ ዝነበረት፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ዘፈር ክዳኑ ነኽአት።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤</verse>
				<verse number="24">“እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፥ ኣይሞተትን እሞ ድሕር በሉ!” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ህዝቢ ምስ ወፁ፥ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ፤ እታ ጓል ከዓ ተስአት።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረና!” እናበሉ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ መፁ፤ ኢየሱስ ድማ፥ “እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ጐይታ” በልዎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኣዒንቶም በርሃ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግሩ” ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ግና ወፂኦም፥ ኣብ ኵላ እታ ዓዲ ብዛዕባኡ ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="32">ንሳቶም ምስ ወፁ ድማ፥ ጋኔን ዝሓደሮ በሃም ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="33">ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ በሃም ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተርኣየን” ኢሎም ተገረሙ።</verse>
				<verse number="34">ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናመሃረ፥ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፥ ኣብቲ ህዝቢ ንዝነበረ ደዌን ሕማምን እናፈወሰ፥ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘዋወር ነበረ።</verse>
				<verse number="36">ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም።</verse>
				<verse number="38">ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውፅእዎም፥ ንዝኾነ ደዌን ሕማምን ድማ፥ ከሕውዩ ስልጣን ሃቦም።</verse>
				<verse number="2">ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ድማ፦ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦን፥ ሓዉ እንድርያስ፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፥ ሓዉ ዮሃንስ፥</verse>
				<verse number="3">ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ቶማስ፥ እቲ ተቐባሊ ቐረፅ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ፥</verse>
				<verse number="4">ስምኦን ቀናኢን፥ እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ነዞም ዓሰርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ቤት እስራኤል ደኣ እምበር፥ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ኬድኩም ድማ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ።</verse>
				<verse number="8">ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ ዝተቐበልኩምዎ ብዘይ ዋጋ ሃቡ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ፥ ብሩር፥ ወይ ነሃስ፥ ኣይትሓዙ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ፥ ወይ ክልተ ኽዳን፥ ወይ ኣሳእን፥ ወይ በትሪ ኣይትሓዙ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ገዛ ኽትኣትዉ እንተለኹም ሰላም በልዎ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።</verse>
				<verse number="14">እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።</verse>
				<verse number="15">ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="18">ንኣኣቶምን ንኣህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19">ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ።</verse>
				<verse number="20">መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እዩ፥ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ።</verse>
				<verse number="21">ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም።</verse>
				<verse number="22">ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ሰብ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ካብ መምህሩ ዝበልፅ ተምሃራይ፥ ካብ ጐይታኡ ዝበልፅ ኣገልጋሊ የለን።</verse>
				<verse number="25">ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ‘ብኤል ዜቡል’ ካብ በልዎ፥ ንቤተሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙሕ ዘይብልዎም።</verse>
				<verse number="26">“እምበኣር ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የለንሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።</verse>
				<verse number="27">ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።</verse>
				<verse number="28">ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።</verse>
				<verse number="29">ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።</verse>
				<verse number="30">ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን።</verse>
				<verse number="31">እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="32">“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።</verse>
				<verse number="34">“ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመፃእኹን።</verse>
				<verse number="35">ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ እኖኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ፥ ክፈላሊ እየ ዝመፃእኹ።</verse>
				<verse number="36">ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="37">እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="38">እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="39">ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ።</verse>
				<verse number="40">“ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።</verse>
				<verse number="41">ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፥ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንፃድቕ ብስም ፃድቕ ዝቕበልውን፥ ዓስቢ ፃድቕ ይረክብ።</verse>
				<verse number="42">ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ድማ ዮሃንስ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ተግባር ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፥</verse>
				<verse number="3">“እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ፥ ወይ ድማ እንፅበዮ ኻልእ ኣሎ?” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ከዓ፦ “ኬድኩም፥ እዝ እትሰምዕዎን እትሪእዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ።</verse>
				<verse number="5">ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ፥ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምበቆ?</verse>
				<verse number="8">እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትሪኡ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝበልፅ እዩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይተስአ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና፥ እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ።</verse>
				<verse number="12">ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ ድማ፥ ይመናጠልዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">“ኵሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሃንስ ተነብዮም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="14">ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም፥ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ኤልያስ፥ ንሱ ዮሃንስ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።</verse>
				<verse number="16">“ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም፥ መሓዙቶም ዝፅውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል።</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’</verse>
				<verse number="18">ዮሃንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መፀ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ።</verse>
				<verse number="19">ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መፀ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብደቃ ፀደቐት።”</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት፥ ስለ ዘይተነስሃ ኸምዙይ ኢሉ ኽነቕፈን ጀመረ፦</verse>
				<verse number="21">“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።</verse>
				<verse number="22">ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ።</verse>
				<verse number="24">ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="25">በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="27">ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።</verse>
				<verse number="28">“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።</verse>
				<verse number="29">ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="30">ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ፥ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="2">ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ፦ “ዳዊት ምስ ጠመየ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ ንኻህናት ንበይናቶም እምበር፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ ክበልዕዎ ዘይግባእ ሕብስቲ ቝርባን፥ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት፥ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፥ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?</verse>
				<verse number="6">ኣነ ግና ኻብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ፥ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤</verse>
				<verse number="8">ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ?</verse>
				<verse number="12">ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።</verse>
				<verse number="14">ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ፤ ንዅሎምውን ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="16">ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ</verse>
				<verse number="18">“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፤ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኣይከራኸርን፤ ዓው ኢሉ ኣየድምፅን፤ ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤ ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም።” ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ዕዉርን በሃምን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ፥ ከም ዝርእን ከም ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ “እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ኢሎም ተደነቑ።</verse>
				<verse number="24">ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ‘ብብኤል ዜቡል’ እዩ እምበር፥ ንኣጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፤ “ኵላ ንስንሳታ እትፈላለ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ እትፈላለ ዅላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ።</verse>
				<verse number="26">እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግስቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም?</verse>
				<verse number="27">ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም።</verse>
				<verse number="28">ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="29">“ወይ ከዓ ቕድም ነቲ ሓያል እንተይኣሰረ፥ ናብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ኣቑሑኡ ኽጕርጕር ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዙይ እዩ፥ ነቲ ገዛኡ ዝጕርጕር።</verse>
				<verse number="30">እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">“ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ፥ ፅቡቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ፅቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ሕማቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።</verse>
				<verse number="34">ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?</verse>
				<verse number="35">“ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።”</verse>
				<verse number="36">“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="37"></verse>
				<verse number="38">ሽዑ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን መፂኦም “ኦ መምህር! ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኢና” በልዎ። ንሱ ግና ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦</verse>
				<verse number="39">“እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ፥ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተ ኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ።</verse>
				<verse number="40">ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።</verse>
				<verse number="41">ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="42">ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና እያ፤ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="43">“ርኹስ መንፈስ፥ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል፤ ግና ኣይረክብን።</verse>
				<verse number="44">ሽዑ ‘ናብቲ ዝወፃእኹሉ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፤ እንተ መፀ ድማ፥ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ።</verse>
				<verse number="45">ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”</verse>
				<verse number="46">ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም እንተሎ፥ እንሆ እኖኡን ኣሕዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="47">ሓደ ሰብ ከዓ “እኖኻን ኣሕዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ።</verse>
				<verse number="48">ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="49">ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ እናመልከተ “እኖይን ኣሕዋተይን እዚኣቶም እዮም። ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="50"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="2">ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፤ “እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤</verse>
				<verse number="4">ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መፂኦም ድማ በልዕዎ።</verse>
				<verse number="5">ገሊኡውን ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ፥ ቀልጢፉ በቘለ።</verse>
				<verse number="6">ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።</verse>
				<verse number="7">ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ።</verse>
				<verse number="8">ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ።</verse>
				<verse number="9">ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”</verse>
				<verse number="10">ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።</verse>
				<verse number="12">ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ።</verse>
				<verse number="13">እናረአዩ ኣይሪኡን፤ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ።</verse>
				<verse number="14">‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ፥ ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን፤’ ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">“ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይሪኣ፤ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃንን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ክሪእዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ክሰምዑዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">“እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ።</verse>
				<verse number="19">ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።”</verse>
				<verse number="24">ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል።</verse>
				<verse number="25">እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ፥ ፀላኢኡ መፂኡ፥ ኣብቲ ማእኸል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="26">እቲ በቝሊ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ።</verse>
				<verse number="27">ኣገልገልቲ እቲ በዓል ግራት መፂኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ፅሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ።</verse>
				<verse number="28">‘ነዙይስ ፀላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና፥ ‘እምበኣር ኬድና ኽንፃህዮዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ ‘ክርዳድ ክትፃህዩ እንተለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትብቍሱስ፥</verse>
				<verse number="30">ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።</verse>
				<verse number="32">ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን፥ ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።”</verse>
				<verse number="33">ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።”</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ እቲ ብነቢይ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረውን እነግር” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">ድሕሪዙይ ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን [ስርናይን] ግራትን ተርጕመልና በልዎ።</verse>
				<verse number="37">ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤</verse>
				<verse number="38">እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም።</verse>
				<verse number="39">እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ኸዓ፥ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ፥ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶውን፥ መላእኽቲ እዮም።</verse>
				<verse number="40">እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃፅልዎ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="41">ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።</verse>
				<verse number="42">ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="43">ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።</verse>
				<verse number="44">“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።</verse>
				<verse number="45">“ከምኡ ድማ መንግስተ ሰማያት፥ ክቡር ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ሰብ እሞ፥ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ዕንቊ ዝዕድጋ ትመስል።</verse>
				<verse number="46"></verse>
				<verse number="47">“ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።</verse>
				<verse number="48">ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ፀፅቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ።</verse>
				<verse number="49">ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መፂኦም ነቶም ክፉኣት፥ ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም።</verse>
				<verse number="50">ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="51">ኣስዒቡ ኸዓ “ነዝ ዅሉስ ተረዲእኹምዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ” በልዎ።</verse>
				<verse number="52">ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም።</verse>
				<verse number="53">ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈፀመ ኻብኡ ኣግለሰ።</verse>
				<verse number="54">ናብ ዓዱ መፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ከምዙይ ኢሎም ክሳዕ ዝድነቑ መሃሮም፦ “እዝ ሰብ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥበብን፥ እዝ ዅሉ ተኣምራትን ካበይ ረኸቦ?</verse>
				<verse number="55">ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="56">ኵለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዅሉ [ጥበብን ሓይልን] ደኣ ኻበይ ኣምፅኦ?” በሉ፤</verse>
				<verse number="57">ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ፥ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን” በሎም።</verse>
				<verse number="58">ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ፥ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">ንሓሻኽሩ ድማ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ዮሃንስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ” ይብሎ ነበረሞ።</verse>
				<verse number="5">ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፥ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ይፈርሖም ነበረ።</verse>
				<verse number="6">በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ።</verse>
				<verse number="8">ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንጉስ ሓዘነ፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="10">ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ።</verse>
				<verse number="11">ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ።</verse>
				<verse number="12">ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ።</verse>
				<verse number="15">ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን ሓሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም፥ ንባዕላቶም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ።</verse>
				<verse number="19">ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።</verse>
				<verse number="20">ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዝበልዑ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም፥ ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="23">ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">እታ ጃልባ [ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር ኣቢላ] ኻብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤ ንፋስ ብቕድሚኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ብማዕበል ትናወፅ ነበረት።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ ኣቢሉ ብልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርሓት ዝተልዓለውን ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።</verse>
				<verse number="30">ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።</verse>
				<verse number="32">ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና፥ እቲ ንፋስ ሃድአ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="34">ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፥ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ልኢኾም፥ ንዅሎም ሕሙማት ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="36">ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ኵሎም ዝነኽእዎ ድማ ሓወዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥</verse>
				<verse number="2">“ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ስለ ምንታይ ደኣ ንስኻትኩም፥ ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ?</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ገይረዮ እየ’ ዝብል ሰብ፥</verse>
				<verse number="6">‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉውን!</verse>
				<verse number="11">ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፥ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤</verse>
				<verse number="14">ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምስላ እዙይ ተርጕመልና” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን?</verse>
				<verse number="17">ኵሉ እቲ ብኣፍ ዝኣቱ፥ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ እሞ፥ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።</verse>
				<verse number="20">እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ብዘይተሓፀበ ኢድ ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ።</verse>
				<verse number="22">እንሆ ድማ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ፥ ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="25">ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ።</verse>
				<verse number="27">ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ድማ፥ ኣብኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="30">ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕዉራት፥ ፀማማት፥ ቈራያት፥ ብዙሓት ካልኦትውን ምስኣቶም ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="31">እቶም ህዝቢ ድማ፥ በሃማት እንትዛረቡ፥ ቈራያት እንትሓውዩ፥ ሓንካሳት እንትኸዱ፥ ዕዉራትውን እንትሪኡ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ፥ ንኽንድዙይ ዝኣክል ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ፥ ካበይ ክንረክብ ኢና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ እንጀራኸ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን” በልዎ።</verse>
				<verse number="35">ነቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ።</verse>
				<verse number="37">ኵሎምውን በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="38">እቶም ዝበልዑ ኸዓ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ነቶም ህዝቢ ምሰፋነዎም ድማ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ወሰን መጌዶል ከደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መፁ፤ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ድማ ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስ ድማ “ምስ መሰየ ‘ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ፃሓ ክኸውን እዩ’ ትብሉ፤</verse>
				<verse number="3">ምስ ወግሐ ድማ ‘ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ሎምስ ክዘንም እዩ’ ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገፅ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ደኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ?</verse>
				<verse number="4">ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ፥ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በሎም። ሓዲጉዎም ከዓ ኸደ።</verse>
				<verse number="5">ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ እንተለዉ እንጀራ ምሓዝ ረሲዖም ነበሩ፤</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ግና “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ድማ ፈሊጥዎም “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ?</verse>
				<verse number="9">ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ፥ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?</verse>
				<verse number="10">ወይ ድማ እቲ ሸውዓተ እንጀራ፥ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?</verse>
				<verse number="11">እቲ ‘ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ’ ዝበልኩኹምከ ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይኮነ፥ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር፥ ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ኸም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ኣብ ናይ ፊልጶስ ሃገር ቂሳርያ ምስ በፅሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ገሊኣቶም ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ‘ኤርሚያስ’ ወይ ‘ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ’ ዝብሉኻ ኣለዉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ?” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።</verse>
				<verse number="19">መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኻዮ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጠንቀቖም።</verse>
				<verse number="21">ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን፥ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ከም ዝቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸም ዝትስእን ንደቀ መዛሙርቱ ኽገልፀሎም ጀመረ።</verse>
				<verse number="22">ጴጥሮስ ከዓ ቕርብ ኢሉ፥ “ጐይታ! እዙይ ከቶ ኣባኻ ኣይብፃሕ” እናበለ ክኽልክሎ ጀመረ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ግና ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ፥ “ንስኻ ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘይትሓስብ፥ ንኣይ ዕንቅፋት ኴንካኒ ኢኻሞ፥ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ!” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?</verse>
				<verse number="27">ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኢየሱስ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፥ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ወሲዱ፥ ንበይናቶም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ፥ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩዎም።</verse>
				<verse number="4">ጴጥሮስ ድማ፥ ንኢየሱስ፥ “ኦ ጐይታ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ኣብዙይ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።</verse>
				<verse number="6">ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ “ተስኡ! ኣይትፍርሑ!” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ኣዒንቶም ንላዕሊ ቘላሕ እንተ በሉ ድማ፥ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ፥ ሓደ እኳ ኣይረአዩን።</verse>
				<verse number="9">ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትስእ፥ እዝ ዝረአኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ!” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="10">ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ግና፥ ኤልያስ ድሮ መፂኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።</verse>
				<verse number="14">ናብቲ ህዝቢ ምስ በፅሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦</verse>
				<verse number="15">“ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርሑ ዘውድቕ ሕማም እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ማይን ሓዊን የውድቖ እዩ እሞ፥ ራህርሀለይ፤</verse>
				<verse number="16">ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምፂአዮስ፥ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኢየሱስ ገሰፆ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቘልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።</verse>
				<verse number="19">ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን።</verse>
				<verse number="21">እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ እናተመላለሱ እንተለዉ፥ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትስእ እዩ” በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ሓዘኑ።</verse>
				<verse number="24">ናብ ቅፍርናሆም ምስ መፁ፥ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም፥ “መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምኦን! እንታይ ይመስለካ? ነገስታት ምድሪ፥ ግብርን ቀረፅን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ጴጥሮስ ከዓ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ደቆምስ ነፃ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ?” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦</verse>
				<verse number="3">“እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ።</verse>
				<verse number="7">“ዕንቅፋት ግድን ክመፅእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመፅእ ሰብ ወይለኡ!</verse>
				<verse number="8">ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበ፥ ብቘራፅካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="9">ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ድማ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓይንኻ፥ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="10">“መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="11">ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ።</verse>
				<verse number="12">እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?</verse>
				<verse number="13">እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን፥ ብኣኣ የመና ኸም ዝሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="15">“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።</verse>
				<verse number="16">እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።</verse>
				<verse number="17">ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።</verse>
				<verse number="18">“ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ኦ ጐይታ! ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።”</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤</verse>
				<verse number="24">ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="25">ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኣገልጋሊ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፥ “ጐይታይ! ተዓገሰኒ ደኣ እምበር፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ለመኖ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ሓኒቑ ሓዞ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ እቲ ብፃዩ ኣገልጋሊ “ተዓገሰኒ፤ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ተደፊኡ ለመኖ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ድማ፥ እቲ ዝገበሮ ሪኦም የመና ሓዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ እቲ ጐይታኡ ፀዊዑ “ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤</verse>
				<verse number="33">ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ።</verse>
				<verse number="35">“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈፀመ፥ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በፅሐ።</verse>
				<verse number="2">ብዙሓት ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="3">ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ?” እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ፥ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ሙሴ መፍትሒኣ ፅሑፍ ሂቡ ኽፈትሓ ዝኣዘዘ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ግና ‘እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ፥ ካሊእውን ዘእቱ ይዝሙ፤ ፍትሕቲ ዘእቱውን ይዝሙ’ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን፥ ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ዘይምውሳብ ይሐይሽ” በልዎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ፥ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="12">ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽፅልየሎም፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="16">እንሆ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፂኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ፥ እንታይ ሰናይ ግብሪ ኽገብር?” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤</verse>
				<verse number="19">ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ጐበዝ ድማ “ነዙይ ኵሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ?” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ጭንቂ ኸም ዝኾነ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">መሊሱውን፥ ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል!” እናበሉ የመና ተገረሙ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="29">ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ግና ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ፥ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">“መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ፥ ሰራሕተኛታት ክደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ በዓል ቤት ትመስል።</verse>
				<verse number="2">ምስቶም ሰራሕተኛታት፥ ንነፍሲ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ክህቦም ምስ ተሰማምዐ፥ ክሰርሑ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም።</verse>
				<verse number="3">ብሰለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ፥ ስራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ፤</verse>
				<verse number="4">ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ’ በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኸዱ።</verse>
				<verse number="5">መሊሱ ድማ ብሽዱሽተን ብትሽዓተን ሰዓት ወፂኡ ኸምኡ ገበረ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ ‘ስራሕ ዝቖፅረና ስለ ዝሰኣንና ኢና’ በልዎ። እምበኣር ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱሞ ስርሑ፤ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">“ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዚ ገዛኡ ‘ነቶም ሰራሕተኛታት ፀውዓዮም፤ ካብቶም ዳሕረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ደመወዞም ሃቦም’ በሎ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ብዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመፁ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ካብቶም ዳሕረዎት ዝበዝሕ ዝቕበሉ መሰሎም፤ ግና ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="11">ምስ ተቐበሉ ኸዓ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዳሕረዎት፥ ድኻም መዓልትን ሓሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላዲልካዮም’ እናበሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ! ኣይዓመፅኩኻን፤ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኻንን?</verse>
				<verse number="14">ዝብፅሐካ ደኣ ሒዝካ ኺድ፤ ነዝ ዳሕረዋይ ድማ ኽንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="16">“እቶም ዳሕረዎት ቀዳሞት ክኾኑ፥ እቶም ቀዳሞት ከዓ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ወሰዶም፤ ኣብ መንገዲ ድማ</verse>
				<verse number="18">“እንሆ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ንሊቃነ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ንሞት ክፈርድዎ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ከላግፁሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ እኖ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመነቶ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ከዓ “እንታይ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብፀጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ” በለቶ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩዶ ትኽእሉ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ ንኽእል” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ከዓ “ፅዋዐይስ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኣብ የማነይን ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ነቶም ሰማያዊ ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣሕዋት ኰረዩ።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ኢየሱስ ፀዊዑ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="26">“ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ እቲ ኻባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ሓሽከርኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="28">ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="30">እንሆ ድማ ኽልተ ዓይነ ስዉራት ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፥ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም፥ “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰፅዎም፤ ንሳቶም ግና “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ደው ኢሉ ፀውዖም እሞ፥ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ድማ “ኦ ጐይታ! ኣዒንትና ክኽፈታ” በልዎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ ራህርሀሎም፤ ኣዒንቶምውን ዳህሰሰ እሞ ሽዑ ረአዩ፤ ተኸተልዎውን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ እትርከብ ቤተ ፋጌ በፅሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ</verse>
				<verse number="2">“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ፥ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።</verse>
				<verse number="3">ዝኾነ ሰብ ‘እንታይ ትገብሩ ኣለኹም’ እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮም ኣሎ’ በልዎ፤ ሽዑ ኽሰዶም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">እዝ ዅሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ “ንጓል ፅዮን፥ ‘እንሆ፥ የዋህን ፃድቕን ንጉስኪ፥ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተቐሚጡ፥ ናባኺ ይመፅእ ኣሎ’ በልዋ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።</verse>
				<verse number="7">ነታ ኣድግን ነታ ገልገላን ኣምፅኡሉ፤ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ድምፂ የስምዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ኵላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዙይ?” እናበለት ተናወፀት።</verse>
				<verse number="11">እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።</verse>
				<verse number="13">“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ ገበርኩምዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መፁ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="15">ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ።</verse>
				<verse number="16">“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤</verse>
				<verse number="17">ሓዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ሓደረ።</verse>
				<verse number="18">ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤</verse>
				<verse number="19">ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት።</verse>
				<verse number="20">ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሪኦም፥ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት!” እናበሉ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="22">ኣሚንኩም ብፀሎት ዝለመንኩምዎ ዅሉ ኽትቅበሉ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="23">ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፦ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።</verse>
				<verse number="25">ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ፤</verse>
				<verse number="26">ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ፥ ኵሎም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ስለ ዝሪእዎ፥ ነቶም ህዝቢ ንፈርሖም ኢና።”</verse>
				<verse number="27">ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ቀፂሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፥ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ኸዓ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፤ ደሓር ግና ተናሲሑ ወፈረ።</verse>
				<verse number="30">ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ ‘እሺ ጐይታይ’ በሎ፤ ግና ኣይወፈረን።</verse>
				<verse number="31">ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝፈፀመ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው፥ ከም ዝቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="32">ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።</verse>
				<verse number="34">ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ሒዞም፥ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፤ ንገሊኣቶም ቀተልዎም፤ ንገሊኣቶምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም።</verse>
				<verse number="36">ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="37">ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ፥ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ።</verse>
				<verse number="38">እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።</verse>
				<verse number="39">ሒዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይ ኮን ይገብሮም?”</verse>
				<verse number="41">ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ።</verse>
				<verse number="42">ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?</verse>
				<verse number="43">“ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="44">ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” በሎም።</verse>
				<verse number="45">ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="46">ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ህዝቢ ኸም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣኣቶም ፈርሕዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦</verse>
				<verse number="2">“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽፅውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመፁ ኣይደለዩን።</verse>
				<verse number="4">መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም ከዱ፤ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን።</verse>
				<verse number="7">እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን።</verse>
				<verse number="9">እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ፥ ንዅሉ ዝረኸብኩምዎ ናብ መርዓ ፀውዑ’ በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ።</verse>
				<verse number="11">“እንተ ኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ፥</verse>
				<verse number="12">‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፦ ‘ኣእዳዉን ኣጋሩን ኣሲርኩም፥ ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፀልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ’ በሎም።</verse>
				<verse number="14">ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”</verse>
				<verse number="15">ድሕሪዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="16">ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ “ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="19">እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ!” በሎም። ንሳቶም ከዓ ዲናር ኣምፅኡሉ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ድማ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ድማ ኸዱ።</verse>
				<verse number="23">በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፂኦም፦</verse>
				<verse number="24">“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="25">እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ፥ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ ነታ ሰበይቱ ድማ ንሓዉ ሓደጋ፤</verse>
				<verse number="26">ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪ ዅሎም ከዓ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።</verse>
				<verse number="28">ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም፥ ሰበይቲ ኣየነኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ጊዜ ትንሳኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም እምበር፥ ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን።</verse>
				<verse number="31">ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="32"></verse>
				<verse number="33">እቶም ህዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="34">ፈሪሳውያን፥ ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="35">ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="36"></verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብምሉእ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤’</verse>
				<verse number="38">እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ።</verse>
				<verse number="39">እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ።</verse>
				<verse number="40">ኵሎም ኦሪትን ነቢያትን፥ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ</verse>
				<verse number="42">“ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ወዲ ዳዊት” በልዎ።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ?</verse>
				<verse number="44"></verse>
				<verse number="45">እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን?” በሎም።</verse>
				<verse number="46">እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="2">“መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ኵሉ ንሳቶም ዝብሉኹም፥ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="4">ከቢድን [ምፅዋሩ ዘይምቹን] ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ንባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን።</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ስፍራ፥ ኣብ ቤተ ፀሎቶም ድማ፥ ኣብ ናይ ክብሪ መናብር ይቕመጡ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ዕዳጋታት፥ ሰብ ኢድ ክነስአሎምን ‘መምህር’ ኢሉ ኽፅውዖምን ይፈትዉ፤</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም፥ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትፀውዑ።</verse>
				<verse number="10">ሊቅኩም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምስ ‘ሊቅ’ ኣይትበሃሉ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንባዕሉ ዘልዕል፥ ክዋረድ እዩ፤ እቲ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ እሞ፥ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።”</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="14">ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="15">ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ፥ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ናብ እምነትኩም ምስ ኣተወ ድማ፥ ካባኻትኩም ብዕፅፊ ዝገደደ፥ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="16">ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል፥ ኣይበደለን ደሓን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና፥ ብማሕላኡ ይተሓዝ’ እትብሉ፥ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="17">ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ?</verse>
				<verse number="18">‘ብመሰውኢ ዝምሕል ኣይቝፀሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መስዋእቲ ዝምሕል ግና፥ ማሕላ ይኾኖ’ ትብሉ።</verse>
				<verse number="19">ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ?</verse>
				<verse number="20">እምበኣርከስ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል።</verse>
				<verse number="21">እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ፥ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።</verse>
				<verse number="22">እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ፥ ብዙፋን እግዚኣብሄርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።</verse>
				<verse number="23">“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።</verse>
				<verse number="24">ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="25">“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ ውሽጡ ኸትርን ስሰዐን መሊኡ እንተሎ፥ ንፅዋዕን ንፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ እትሓፅቡ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="26">ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ፅዋዕን ፃሕልን ላዕላዩ ፅሩይ ምእንቲ ክኸውን፥ ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕፀቦ።</verse>
				<verse number="27">“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="28">ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።</verse>
				<verse number="29">“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="32">ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ።</verse>
				<verse number="33">ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?</verse>
				<verse number="34">ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።</verse>
				<verse number="35">ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ናይዝ ዅሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበፅሖ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="37">“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።</verse>
				<verse number="38">እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="39">ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ እናኸደ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ህንፃ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!</verse>
				<verse number="5">‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="7">ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="8">እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።</verse>
				<verse number="9">በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም።</verse>
				<verse number="11">ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።</verse>
				<verse number="12">ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="15">“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤</verse>
				<verse number="18">እቲ ኣብ ግራት ዝፀንሐ ድማ፥ ክዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ።</verse>
				<verse number="19">በተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን፥ ንመጥበውቲ ህፃናትን ወይለአን!</verse>
				<verse number="20">ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ፀልዩ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="22">እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ዝኾነ ሰብ ‘ክርስቶስ እንሆ፥ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ከዓ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ።</verse>
				<verse number="24">ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።</verse>
				<verse number="25">“እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="26">እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም፥ ናብኡ ኣይትኺዱ፤ ‘እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ’ እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ።</verse>
				<verse number="27">መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ፥ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝረአ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”</verse>
				<verse number="29">“ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።</verse>
				<verse number="31">ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”</verse>
				<verse number="32">“ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቈፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="33">ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="34">እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="35">ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”</verse>
				<verse number="36">“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።</verse>
				<verse number="37">ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="38">ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥</verse>
				<verse number="39">ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ።</verse>
				<verse number="41">ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።</verse>
				<verse number="42">እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="43">ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ ሰራቒ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥስ፥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዛኡ ኽትኰዓት እንተላውን፥ ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።</verse>
				<verse number="44">እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”</verse>
				<verse number="45">“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?</verse>
				<verse number="46">እቲ ጐይታኡ ምስ መፀ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="47">ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="48">እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥</verse>
				<verse number="49">ነቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን።</verse>
				<verse number="50">ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥</verse>
				<verse number="51">ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">“በቲ ጊዜ እቱይ መንግስተ ሰማያት፥ መመብራህተን ሒዘን፥ መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።</verse>
				<verse number="2">ካብኣተን እተን ሓሙሽተ ሰነፋት፥ እተን ሓሙሽተ ኸዓ ለባማት ነበራ።</verse>
				<verse number="3">እተን ሰነፋት ቀቀንዲለን ሒዘን፥ ዘይቲ ኣይተማልኣን።</verse>
				<verse number="4">እተን ለባማት ግና፥ መምስ ቀንዲለን ዘይቲ ኣብ ሳርማአን ሒዘን ነበራ።</verse>
				<verse number="5">መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ።</verse>
				<verse number="6">ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክትቅበሉ ውፁ!’ ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ዅለን እተን ደናግል ተሲአን፥ ቀቀንዲለን ኣሰናደዋ።</verse>
				<verse number="8">እተን ሰነፋት ግና ነተን ለባማት፥ ‘መብራህትና ኽጠፍአና ኢሉሞ፥ ካብ ዘይትኽን እንዶ ሃባና’ በላአን።</verse>
				<verse number="9">እተን ለባማት ግና፥ ‘ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር፥ ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን’ በላአን።</verse>
				<verse number="10">ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መፀ፤ እተን ተዳልየን ዝፀንሓ፥ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓፅወ።</verse>
				<verse number="11">ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መፂአን ‘ኦ ጐይታ፥ ኦ ጐይታ፥ ክፈተልና’ ” በላ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” ኢሉ መለሰለን።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።</verse>
				<verse number="14">“መንግስተ ሰማያት ከምቲ ኽገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ፀዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም ትመስል።</verse>
				<verse number="15">ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፥ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ከደ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ኸይዱ፥ ምድሪ ዅዒቱ ገንዘብ ጐይታኡ ሓብአ።</verse>
				<verse number="19">ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መፂኡ ኽፀባፀቦም ጀመረ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ድማ ኻልእ ኣብ ልዕሊአን ሓሙሽተ መክሊት ኣትረፍኩ’ እናበለ፥ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምፅአ።</verse>
				<verse number="21">ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ኸዓ ኽልተ ኻልኦት መክሊት ኣብ ልዕሊአን ኣትሪፈ ኣለኹ’ በለ።</verse>
				<verse number="23">ጐይታኡ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ቀሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ፤</verse>
				<verse number="25">ስለ ዝፈራሕኹውን፥ ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኔርኻ፥</verse>
				<verse number="27">ነቲ ገንዘበይ ንመሽረፍቲ ኽትህቦ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ።</verse>
				<verse number="28">እምበኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣሕዲግኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="29">ንዘለዎ ዅሉ ይህብዎ፤ ይውስኽዎውን፤ ንዘይብሉ ግና፥ እቲ ዘለዎ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="30">ነዝ ሃካይ ኣገልጋሊ ግና፥ ናብ ፍፁም ፀልማት ኣውፂእኹም ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።’</verse>
				<verse number="31">“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ።</verse>
				<verse number="33">ነባጊዕ ብየማኑ፥ ነጣል ድማ ብፀጋሙ ኸቕውም እዩ።</verse>
				<verse number="34">ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።</verse>
				<verse number="35">ጠምየ፥ ኣብሊዕኹምኒ፤ ፀሚአ፥ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ፥ ተቐቢልኩምኒ፤</verse>
				<verse number="36">ዓሪቐ፥ ከዲንኩምኒ፤ ሓሚመ፥ በፂሕኹምኒ፤ ተኣሲረ፥ ናባይ መፂእኹም ጠዪቕኩምኒ ኢኹምሞ’ ኽብሎም እዩ።</verse>
				<verse number="37">ሽዑ እቶም ፃድቃን ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ፀሚእኻስ ኣስቲናካ?</verse>
				<verse number="38">መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ?</verse>
				<verse number="39">መኣዝ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ በፂሕናካ?’ ይብልዎ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።</verse>
				<verse number="41">“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤</verse>
				<verse number="42">ጠምየ፥ ኣየብላዕኹምንን፤ ፀሚአ፥ ኣየስተኹምንን፤</verse>
				<verse number="43">ጋሻ ኾይነ፥ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ፥ ኣይከደንኩምንን፤ ሓሚመን ተኣሲረን፥ ኣይበፃሕኹምንን’ ይብሎም።</verse>
				<verse number="44">ሽዑ ንሳቶም ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ፀሚእኻ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ?’ ኢሎም ይምልሱሉ።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም።</verse>
				<verse number="46">ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ኢየሱስ እዝ ዅሉ ነገር ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ንደቀ መዛሙርቱ</verse>
				<verse number="2">“ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ፥ ክስቀል ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ህዝብን፥ ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="4">ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="5">እንተ ኾነ “ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሁከት ምእንቲ ኸይለዓል ብበዓል ኣይኹን” በሉ።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምፃም እንተሎ፥</verse>
				<verse number="7">ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ ናብኡ መፀት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፥ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።</verse>
				<verse number="8">ደቀ መዛሙርቱ ግና ነዙይ ሪኦም ተቘጥዑ እሞ “እዛ ሰበይቲ ኽንድዙይ ዝኣክል ሽቱ ንምንታይ ኣጥፍአት? ብብዙሕ ዋጋ ተሸይጡዶ፥ ንድኻታት ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ግና ነዙይ ፈሊጡ “እዛ ሰበይቲ ፅቡቕ እያ ዝገበረትለይ፤ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="11">ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ኣነ ግና ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም የለኹን።</verse>
				<verse number="12">እዝ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ኽቡር ሽቱ ግና፥ ንቐብረይ እያ ዝገበረቶ።</verse>
				<verse number="13">እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዅሉ ዓለም፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥</verse>
				<verse number="15">“ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="16">ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ፥ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ፥ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ድማ “ናብ ከተማ ኼድኩም ንእገለ ‘መምህር፥ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ።</verse>
				<verse number="20">ምስ መሰየ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="21">እናበልዑ እንተለዉ ኸዓ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኸም ዝህበኒ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ሓዘኑ፤ ነፍሲ ወከፍውን “ኦ ጐይታ! ኣነ ደኾን እኸውን?” ክብልዎ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ መሊሱ “እቲ ኢዱ ኣብ ፃሕሊ ምሳይ ዝፀብሕ፥ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ።</verse>
				<verse number="24">ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ “መምህር፥ ኣነ ደኾን እየ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ “ባዕልኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">እናበልዑ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ ድማ ቘሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዙይ ስጋይ እዩ፤ እንኩ ብልዑ” ኢሉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="27">ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፥ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዙይ ኵልኻትኩም ስተዩ” ኢሉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="28"></verse>
				<verse number="29">“ድሕሪ ሕዚ፥ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም፥ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="30">ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ፥ ፋሕ ክብላ እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ጴጥሮስ ከዓ “ኵላቶም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ፈፂመ ኣይክሕደካን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ጴጥሮስ ግና “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትውን ኵላቶም ከምኡ በሉ።</verse>
				<verse number="36">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስኣቶም ጌቴሴማኒ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “ናብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="37">ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ተማሊኡ ኸደሞ፥ ክትክዝን ክሓዝንን ጀመረ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ “ነፍሰይ ብሓዘን ክሳዕ ሞት በፂሓ ኣላሞ፥ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።</verse>
				<verse number="40">ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ደቂሶም ረኸቦም እሞ፥ ንጴጥሮስ “ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምትጋህዶ ኣይትኽእሉን?</verse>
				<verse number="41">እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="42">ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።</verse>
				<verse number="43">እንደገና ተመሊሱ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም።</verse>
				<verse number="44">ሓዲግዎም ከደ እሞ፥ ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት በፂሑ እዩ።</verse>
				<verse number="46">ተስኡ ንኺድ! እቲ ኣሕሊፉ ዝህበንውን እንሆ፥ ቀሪቡ ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="47">ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ መፀ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መፁ።</verse>
				<verse number="48">እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="49">ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሰላም መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ከዓ “ዓርከይ፥ ንምንታይ ነገር መፃእኻ?” በሎ፤ ሽዑ ቐሪቦም ንኢየሱስ ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="51">እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ፥ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ።</verse>
				<verse number="52">ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ እሞ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ።</verse>
				<verse number="53">ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ሰራዊት ዝበዝሑ መላእኽቲ ብቕፅበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ?</verse>
				<verse number="54">እቶም ‘ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ’ ዝብሉ መፃሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ክፍፀሙ እዮም?” በሎ።</verse>
				<verse number="55">በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “ሰራቒ ኸም እትሕዙዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይሓዝኩምንን።</verse>
				<verse number="56">እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="57">እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ኸዓ፥ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ፥ ናብ እንዳ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="58">ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ብርሑቕ ሰዓቦ፤ ናይቲ ነገር መወዳእታ ምእንቲ ኽርኢውን፥ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="59">ሊቃነ ካህናትን እቲ ባይቶን ከዓ፥ ንኢየሱስ ምእንቲ ኽቐትልዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ይደልዩ ነበሩ፤</verse>
				<verse number="60">እንተ ኾነ ኣይረኸቡን፤ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፥ ሓንቲ በደል ኣይረኸቡሉን።</verse>
				<verse number="61">ደሓር ግና ኽልተ ቐሪቦም “እዝ ሰብ እዙይ ‘ንቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፆ እኽእል እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="62">እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ተሲኡ “ነዝ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉስ፥ ሓንቲ እኳዶ ኣይትምልሰሉን?” በሎ።</verse>
				<verse number="63">ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።</verse>
				<verse number="64">ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ድሕሪ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="65">ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ ቐዲዱ “እንሆ ይፃረፍ ኣሎ፤ ፀርፉውን ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንታይ ምስክር የድልየና እንታይከ ትብሉ?” በለ። ንሳቶም ከዓ “ሞት ይግብኦ!” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="66"></verse>
				<verse number="67">ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኣቶም ድማ ወቕዕዎ።</verse>
				<verse number="68">“ኦ ክርስቶስ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና?” እናበሉ ኸዓ ይፀፍዕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="69">ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ መረባ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ገረድ መፂኣ “ንስኻውን ምስቲ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ።</verse>
				<verse number="70">ንሱ ኸዓ “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከሓደ።</verse>
				<verse number="71">ናብቲ ኣፍደገ ምስ ወፀ ኸዓ፥ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረአየቶ፤ ኣብኡ ንዝነበሩ ድማ “እዙይ ምስ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነይሩ እዩ” በለቶም።</verse>
				<verse number="72">ንሱ ኸዓ “ነዝ ሰብ እዙይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ኸሓደ፤ መሓለውን።</verse>
				<verse number="73">ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="74">ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።</verse>
				<verse number="75">ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ እንተይነቀወ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ምስ ወግሐ፥ ኵሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="2">ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ፥ ተናሲሑ “ንፁህ ሰብ ንሞት ኣሕሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ፥ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ሙዳየ ምፅዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="7">ተማኺሮም ከዓ ብእኡ፥ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን፥ ግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ዓደጉሉ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ “ግራት ደም” ትብሃል ኣላ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋ ዝገምገሙሉ፥ ዋጋ ናይቲ ኽቡር፥ ሰላሳ ብሩር ወሰዱ።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ እውን፥ ንግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቓል ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ክኸስዎ እንተለዉ፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ጲላጦስ “ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ግና እቲ ገዛኢ የመና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።</verse>
				<verse number="15">እቲ ገዛኢ ብበዓል፥ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ልማድ ነበሮ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ እሱር ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትሓዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፥ “ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝበሃል ኢየሱስ?” በሎም።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ።</verse>
				<verse number="20">ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ህዝቢ “በርባን ይፈታሕ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ እቲ ገዛኢ “ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ንበርባን” በልዎ።</verse>
				<verse number="22">ጲላጦስ ከዓ “ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል!” በሉ።</verse>
				<verse number="23">ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ፥ ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ፥ ማይ ወሲዱ፥ “ኣነ ኻብ ደም እዝ ፃድቕ ሰብ እዙይ ንፁህ እየ፤ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓፀበ።</verse>
				<verse number="25">ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ፥ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም፥ ነቲ ሰራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ።</verse>
				<verse number="28">ክዳኑ ቐንጢጦም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ።</verse>
				<verse number="29">ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ።</verse>
				<verse number="31">ምስ ኣላገፁሉ ድማ፥ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="32">ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ስምኦን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፥ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ።</verse>
				<verse number="33">ጎልጎታ፥ ትርጕሙ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ስፍራ ምስ በፅሑ፥</verse>
				<verse number="34">ሓሞት ዝተሓወሶ መፂፅ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።</verse>
				<verse number="35">ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈሉ።</verse>
				<verse number="36">ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="37">ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፥ “እዙይ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ናይ ኽሲ ፅሑፍ ኣንበሩሉ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ምስኡ ኽልተ ሸፋቱ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ፥ ተሰቐሉ።</verse>
				<verse number="39">እቶም ብጥቃኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥</verse>
				<verse number="40">“ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን! ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="41">ከምኡውን እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦</verse>
				<verse number="42">“ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይኸኣለን፤ ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን።</verse>
				<verse number="43">ንሱ ብእግዚኣብሄር ተኣሚኑ እዩ፤ ‘ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ እውን ኢሉ እዩ እሞ፥ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ የድሕኖ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">ከምኡውን እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲ የላግፁሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="45">እንሆ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት፥ ኵሉ ምድሪ ፀልመተ።</verse>
				<verse number="46">ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ እዙይ ከዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="47">ገሊኣቶም ካብቶም ኣብኡ ቖይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="48">ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ፥ መፂፅ መሊኡ፥ ብዘንጊ ገይሩ ኽሰትዮ ኣቕረበሉ።</verse>
				<verse number="49">ገሊኣቶም ግና “ሕደግዎ፥ ኤልያስ መፂኡ ዘድሕኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና” በሉ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ደጊሙ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት።</verse>
				<verse number="51">እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።</verse>
				<verse number="52">መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ።</verse>
				<verse number="53">ከካብ መቓብሮም ወፂኦም፥ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙሓትውን ተርኣይዎም።</verse>
				<verse number="54">እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ።</verse>
				<verse number="55">ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናገልገላኦ፥ ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙሓት ኣንስቲ፥ ብርሑቕ ይሪኣ ነበራ።</verse>
				<verse number="56">ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም እኖ ያእቆብን ዮሳን፥ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።</verse>
				<verse number="57">ምስ መሰየ ግና፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፀ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ።</verse>
				<verse number="58">ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="59">ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ስጋ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤</verse>
				<verse number="60">ኣብቲ ኣብ ኰዅሒ ዘውቀሮ፥ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓፅይዎ ኸደ።</verse>
				<verse number="61">ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን፥ እታ ኻልአይታ ማርያምን፥ ኣብ መንፅር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።</verse>
				<verse number="62">ብፅባሒቱ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፥ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣከቡ እሞ፥ ናብ ጲላጦስ ከይዶም፥</verse>
				<verse number="63">“ጐይታ! እቲ መስሓቲ፥ ብህይወቱ እንተሎ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና።</verse>
				<verse number="64">ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ መፂኦም ከይሰርቅዎ፥ ንህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ሞት ተሲኡ ኸይብሉ እሞ፥ ካብ እታ ቐዳመይቲ፥ እታ ዳሕረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ፥ ክሳዕ ሳልሳይ መዓልቲ፥ እቲ መቓብር ብፅኑዕ ክሕሎ ኣዝዝ” በልዎ።</verse>
				<verse number="65">ጲላጦስ ከዓ፥ “ሓለውቲ ሒዝኩም ኪዱ እሞ፥ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣፅኒዕኹም ሓልዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="66">ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ድሕሪ ሰንበት ለይቲ፥ ናብታ ናይ ሰሙን ቀዳመይቲ መዓልቲ ዘውግሕ፥ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መፃ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="3">ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ።</verse>
				<verse number="5">እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረአያ።</verse>
				<verse number="7">ቀልጢፍክን ኴድክን፥ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ሞት ተሲኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።</verse>
				<verse number="8">ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር፥ ብፍርሓትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብስራኦም ድማ ጐየያ።</verse>
				<verse number="9">ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ፥ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ “ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!” በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትፍርሓ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከይድክን፥ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ድማ ኽሪኡኒ እዮም” በለን።</verse>
				<verse number="11">ንሳተን ምስ ከዳ፥ እንሆ ኻብቶም ወታደራት ገሊኣቶም ናብታ ኸተማ ኣትዮም፥ እቲ ዝኾነ ዅሉ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙሕ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም።</verse>
				<verse number="13">“ ‘ንሕና ደቂስና እንተለና፥ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ።</verse>
				<verse number="14">እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰሚዑ፥ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ብዘይ ስግኣት ከም እትነብሩ ክንገብር ኢና” በልዎም።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ናብ ገሊላ ናብቲ ኢየሱስ ክኸዱ ዝነገሮም እምባ ኸዱ።</verse>
				<verse number="17">ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="19">እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”</verse>
				<verse number="20"></verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="41">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ናይ ወዲ እግዚኣብሄር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦ “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ ረአየ፤</verse>
				<verse number="11">“ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="13">ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ።</verse>
				<verse number="14">ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ።</verse>
				<verse number="15">“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="19">ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ</verse>
				<verse number="20">ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።</verse>
				<verse number="22">ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="23">እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።</verse>
				<verse number="27">ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።</verse>
				<verse number="30">ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።</verse>
				<verse number="32">ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።</verse>
				<verse number="33">ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።</verse>
				<verse number="36">ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="37">ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="38">ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።</verse>
				<verse number="40">ሓደ ለምፃም ናብኡ መፂኡ፥ ተንበርኪኹ “ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ።</verse>
				<verse number="42">እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።</verse>
				<verse number="44"></verse>
				<verse number="45">ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኢየሱስ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ናብ ቅፍርናሆም ተመሊሱ መፀ፤ ኣብ ገዛ ኸም ዘሎውን ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="2">መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ፃዕቒ ህዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ ናብቲ ናሕሲ ደዪቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣልዒሎም፥ ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="9">ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል?</verse>
				<verse number="10">እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ” ኢሉ፥ ነቲ መፃጕዕ፥</verse>
				<verse number="11">“ተስእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ፥ ናብ ገዛኻ ኺድ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ናብኡ መፁ፤ ይምህሮምውን ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ክሓልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሲኡ ተኸተሎ።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ብዙሓት ቀረፅትን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="16">እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን?” በልዎም።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይፆሙ ነበሩ። ሰባት መፂኦም፥ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንን ይፆሙ እዮም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይፆሙ?” ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይግብኦምን።</verse>
				<verse number="20">እንተ ኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።</verse>
				<verse number="21">ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን።</verse>
				<verse number="22">ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="24">ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ድማ “ብዘመን ሊቀ ካህናት ኣብያታር፥ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን፥ ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ እቲ ካህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ሕብስቲ ቝርባን ከም ዝበልዐን፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="26"></verse>
				<verse number="27">“ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን።</verse>
				<verse number="28">እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="5">በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።</verse>
				<verse number="6">ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም፥ ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ሰባት ሄሮድስ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ፥ ብዙሓት ሰባት ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ።</verse>
				<verse number="9">ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።</verse>
				<verse number="10">ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ግና ኸየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="14">ምስኡ ክኾኑን፥ ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሪፁ “ሃዋርያት” ኢሉ ሰመዮም።</verse>
				<verse number="15">[ሕሙማት ከሕውዩን] ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ስልጣን ሃቦም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ፦ “ጴጥሮስ” ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፥</verse>
				<verse number="17">እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥</verse>
				<verse number="18">እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥</verse>
				<verse number="19">እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ምብላዕ ምግቢ ኽሳዕ ዝስእኑ መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ኣዝማዱ ኸዓ “ዓቢዱ እዩ” እንትበሃል ሰሚዖም ክሕዝዎ መፁ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ሒዝዎ ኣሎ፤ ንኣጋንንቲ እውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ ፀውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል?</verse>
				<verse number="24">ሓንቲ መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።</verse>
				<verse number="25">ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።</verse>
				<verse number="26">ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተፃሊኡ እንተ ተፈላልዩ፥ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ሓያል ቅድም እንተይኣሰረ፥ ኣብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዛኡ ኽጕርጕር ይኽእል።</verse>
				<verse number="28">ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ክሕደገሎም እዩ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።”</verse>
				<verse number="30">ከምዙይ ዝበሎም ድማ “ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="31">እኖኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽፅውዕዎ ለኣኹሉ።</verse>
				<verse number="32">ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ፥ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ኣብ ደገ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ድማ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="34">ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ።</verse>
				<verse number="35">“ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ብምስላታት ገይሩ ብዙሕ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ፦</verse>
				<verse number="3">“ስምዑ፥ እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ።</verse>
				<verse number="4">ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መፂአን ድማ በልዓኦ።</verse>
				<verse number="5">ገሊኡ ድማ፥ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ፥ ቀልጢፉ በቘለ።</verse>
				<verse number="6">ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።</verse>
				<verse number="7">ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።</verse>
				<verse number="8">ገሊኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቘለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሰላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ።</verse>
				<verse number="9">ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፤ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥</verse>
				<verse number="12">‘ምርኣይ ክሪኡ ግና ኸየስተብህሉ፥ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ፥ ንስሃ ኸየኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ፥ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም።’ ”</verse>
				<verse number="13">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?</verse>
				<verse number="14">እቲ ዘራኢ ቓል እዩ ዝዘርእ።</verse>
				<verse number="15">ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።</verse>
				<verse number="16">ከምኡ ኸዓ ገሊኣቶም፥ ነቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ።</verse>
				<verse number="17">ንጊዜኡ እምበር ሱር የብሎምን፤ ደሓር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ፥ ቀልጢፎም ይኽሕዱ።</verse>
				<verse number="18">ገሊኣቶም ከዓ፥ ነቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ፤</verse>
				<verse number="19">እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።</verse>
				<verse number="20">ገሊኣቶም ከዓ ኸምቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኣቶም ሰላሳ፥ ገሊኣቶም ስሳ፥ ገሊኣቶምውን ሚእቲ ይፈርዩ።”</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ውሽጢ ኸፈር ወይ ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ዓራት ድዩ ዘቐምጦ? ኣብ ቀዋሚ ቐንዲልዶ ኣይኾነን ዘቐምጦ?</verse>
				<verse number="22">ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይግለፅ ስዉር የለን፤</verse>
				<verse number="23">ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”</verse>
				<verse number="24">መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።”</verse>
				<verse number="26">ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቍል፤ ይዓቢውን።</verse>
				<verse number="28">እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥</verse>
				<verse number="29">ፈፂሙ ምስ ፈረየ ኸዓ፥ ቀውዒ ስለ ዝበፅሐ ማዕፂድ ይሰድድ።”</verse>
				<verse number="30">መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ ክንምስላ? እንታይከ ምስላ ንግበረላ?</verse>
				<verse number="31">ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት፥ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ።</verse>
				<verse number="32">ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልትውን ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ፥ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።”</verse>
				<verse number="33">ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="35">በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም።</verse>
				<verse number="36">ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ።</verse>
				<verse number="37">ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="39">ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ።</verse>
				<verse number="40">ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።</verse>
				<verse number="41">ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን በፅሑ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ፥ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ፥ ካብ መቓብር ወፂኡ ተራኸቦ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፤ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="4">ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ጊዜ ይእሰር ነበረ፤ እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበታትኾ፥ ነቲ መቝሕ ከዓ ይሰባብሮ ስለ ዝነበረ፥ ሒዙ ኸፅንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="5">ኵልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብፅንፅልሒት ይትልትል ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ንኢየሱስ ብርሑቕ ምስ ረአዮ ጐዪዩ ሰገደሉ፤</verse>
				<verse number="7">“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ከዓ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ “ብዙሓት ኢናሞ ስመይ ‘ሌጌዎን’ እዩ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="10">ካብታ ዓዲ ኣውፂኡ ኸይሰዶም ከዓ ብዙሕ ለመኖ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ፀግዒ እምባ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊረን ነበራ።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፥ ናብኣተን ክንኣቱ ኢሎም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ድማ ፈቐደሎም፤ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ፥ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እተን ክልተ ሽሕ ዝኣኽላ ሓሰማታት በርጊገን በቲ ፀድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከዓ ኣውረዩ፤ እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ።</verse>
				<verse number="15">ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሒዝዎ፥ [ሌጌዎን] ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዝረአይዎ ድማ፥ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብን፥ ብዛዕባ እተን ሓሰማታት ዝኾነ ነገርን ነገርዎም።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ እቶም ህዝቢ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ክልምንዎ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ናብ ጃልባ እናደየበ እንተሎ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስኡ ክኸይድ ለመኖ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሉን፤ “ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ድማ ንገሮም!” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ ዅሉ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ዓሰርተ ኸተማታት ናብ ዝበሃል ዓዲ ኸይዱ ኽነግር ጀመረ፤ ኩሎምውን ተገረሙ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስተሳገረ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ወሰን ባሕሪ ናብኡ ተኣከበ።</verse>
				<verse number="22">ኢያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ኸዓ፥ ኣብ እግሩ ወዲቑ</verse>
				<verse number="23">“ጓለይ ክትመውት ስለ ዝቐረበት፥ ምእንቲ ሓውያ፥ ብህይወት ክትነብር መፂእኻ ኢድካ ኣንብረላ” እናበለ ኣበርቲዑ ለመኖ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።</verse>
				<verse number="25">እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት።</verse>
				<verse number="26">ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።</verse>
				<verse number="27">ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት፥ “ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ፥ ብማእኸል እቶም ህዝቢ ሓሊፋ፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ኽዳኑ ነኽአት።</verse>
				<verse number="28"></verse>
				<verse number="29">እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ከዓ ሽዑ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጡ፥ ናብቶም ህዝቢ ግልፅ ኢሉ፥ “መን እዩ ኽዳነይ ዝነኽአ?” በለ።</verse>
				<verse number="31">ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ህዝቢ ናባኻ እንትፀቓቐጥ እናረአኻስ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ነቲ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ።</verse>
				<verse number="33">እታ ሰበይቲ ግና፥ እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለ ዝፈለጠት፥ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ፤ ኵሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="36">ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን፥ ሓው ያእቆብ ዮሃንስን ሓደኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን።</verse>
				<verse number="38">ናብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ብዙሓት [ዘልቅሱን] ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ።</verse>
				<verse number="39">ኣትዩ “ስለ ምንታይ ዋይ ዋይ ትብሉን ትበኽዩን? እዛ ቘልዓኮ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም።</verse>
				<verse number="40">ንሳቶም ከዓ ሰሓቕዎ፤ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ፥ ነቦ እታ ቘልዓን ንኖኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ሒዙ፥ ናብቲ እታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ።</verse>
				<verse number="41">ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="42">እታ ጓል ድማ ብቕፅበት ተሲኣ ተዋሳወሰት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ የመና ተገረሙ።</verse>
				<verse number="43">ንሱ ኸዓ፥ ነዙይ ሓደኳ ኸይፈልጦ ብፅኑዕ ኣዘዞም፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ነገሮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="2">ብሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክምህር ጀመረ፤ ብዙሓት ምስ ሰምዕዎ ድማ “እዝ ዅሉ ኻበይ ረኸቦ? እዝ ጥበብ እዙይከ ኻበይ ተውሃቦ? እዝ ብኢዱ ዝግበር ዘሎ ተኣምራትከ ኻበይ ኮነሉ?” እናበሉ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="3">“እዙይስ እቲ ፀራቢ ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንንዶ ኣይኮነን? ኣሓቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን?” እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ከዓ “ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="6">በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">ንመንገዲ ዝኸውን እንትርፊ በትሪ፥ ስንቂ፥ እንጀራ፥ ወይ ከረጢት፥ ኣብ ቅናውቶም ድማ ገንዘብ ከይሕዙ፥</verse>
				<verse number="9">እንትርፊ ኣብ እግሮም ዘሎ ሳእኒ፥ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ከይሕዙ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="10">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ፥ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="11">ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ዘይሰምዑኹምን ዓዲ፥ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ፥ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኵሉ ኽንሳሕ ሰበኹ።</verse>
				<verse number="13">ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅኡ፤ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።</verse>
				<verse number="14">ስሙ ተጋሂዱ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ሄሮድስ ሰምዐ። “መጥምቕ ዮሃንስ ካብ ምውታን ተሲኡ እዩ፤ ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብእኡ ይግበር ኣሎ” በለ።</verse>
				<verse number="15">ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="16">ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ “እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="17">ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፥ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ምኽንያቱውን ዮሃንስ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን” ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ሄሮድያዳ በዙይ ተቐዪማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተ ኾነ ኣይከኣለትን።</verse>
				<verse number="20">ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር፥ ንመሳፍንቲ፥ ንመኳንንቲ፥ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ፥ ምሳሕ ምስ ገበረ፥ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ።</verse>
				<verse number="22">ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፤ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ከዓ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስውን ነታ ጓል “ዝደለኽዮ ጠይቕኒ ኽህበኪ እየ፤</verse>
				<verse number="23">ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ኾነውን፥ ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ።</verse>
				<verse number="24">እታ ጓል ድማ ወፂኣ ንኖኣ “እንታይ ክጥይቖ?” በለታ። ንሳ ኸዓ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ” በለታ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ሕዚ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ንጉስ ድማ የመና ሓዘነ፤ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና፥ ክኣብያ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ እቲ ንጉስ ሓደ ወታደር ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሃንስ ሰየፈ።</verse>
				<verse number="28">ነቲ ዝተቘረፀ ርእሱ ድማ፥ ኣብ ፃሕሊ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ንኖኣ ሃበታ።</verse>
				<verse number="29">ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ።</verse>
				<verse number="30">ሃዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም፥ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ዝመፁን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ፥ ኢየሱስ “ንበይንኻትኩም ቁሩብ ክተዕርፉ ንዑናይ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ንውፃእ” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ንሳቶም ከዓ ንበይናቶም ብጃልባ ተሳጊሮም ናብ ፅምዊ ቦታ ኸዱ።</verse>
				<verse number="33">ክኸዱ እንተለዉ ብዙሓት ህዝቢ ረአይዎምን ኣለለይዎምን። ካብ ኵለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጐየዩሞ፥ ቀዲሞምዎም ኣብኡ በፅሑ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ።</verse>
				<verse number="35">እዋን ምስ ሓለፈ ኸዓ፥ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን የመና መስዩ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን እሞ፥ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ቍሸታትን ዓድታትን ከይዶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።</verse>
				<verse number="37">ንሱ ግና “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኬድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግናዶ ኽበልዑ ኽንህቦም?” በልዎ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ረአዩ “ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን” ኣሎ በልዎ።</verse>
				<verse number="39">ንዅሎም ድማ በብመስርዖም እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኸቐምጥዎም ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="40">እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ከቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሳ ንዅሎም ኣከፋፈሎም።</verse>
				<verse number="42">ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ።</verse>
				<verse number="43">ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሰርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሳውን ኸምኡ።</verse>
				<verse number="44">እቶም እንጀራ ዝበልዑ ኸዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ክቕድምዎ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="46">ምስ ኣሰናበቶም ካብኡ ሓሊፉ ኽፅሊ ናብ እምባ ደየበ።</verse>
				<verse number="47">እዋኑ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት። ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።</verse>
				<verse number="48">ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፥ እናቐዘፉ እንተለዉ ኽጭነቑ ረአዮም። ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብኣቶም በፅሐ፤ ክሓልፎምውን ደለየ።</verse>
				<verse number="49">ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="50">ኵሎም ምስ ረአይዎ ደንገፁ። ኢየሱስ ግና “ኣይዞኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ!” በሎም።</verse>
				<verse number="51">ናብታ ንሳቶም ዝነበርዋ ጃልባ ኸዓ ደየበ፤ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ፤ ንሳቶምውን የመና ተገረሙን ተደነቑን።</verse>
				<verse number="52">ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ናይ እንጀራ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን።</verse>
				<verse number="53">ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፂኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣፀጊዖም ኣቖምዋ።</verse>
				<verse number="54">ካብ ጃልባ ምስ ወፁ እቶም ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ።</verse>
				<verse number="55">ኣብ ኵላ እታ ሃገር እናጐየዩ፥ ኢየሱስ ኣሎ ተብሂሉ፥ ናብ ዝሰምዑሉ ቦታ ሕሙማት ብዓራታት እናፆሩ ናብኡ ኸምፅኡ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="56">ኣብ ኵሉ ዝኣተዎ፥ ዓድታት፥ ከተማታት፥ ቍሸታት፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት የቐምጥዎም እሞ፥ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ ክነኽኡ ይልምንዎ ነበሩ፤ ኵሎም እቶም ዝነኽእዎውን ይሓውዩ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="2">ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ እንትበልዑ ረአይዎም።</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን፥ ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣእዳዎም ኣፀቢቖም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩ፤ ካልእውን ብዙሕ ከም ምሕፃብ መሳተያን ኣቑሑ ገዛን ዓታሩን ዓራታትን ዝመስል ክሕልውዎ ዝወረስዎ ልማድ ነበሮም።</verse>
				<verse number="5">መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለ ምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ስለ ምንታይከ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ ዝበልዑ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ግብዛት! ከምቲ ፅሑፍ፦ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ የመና ዝረሓቐ እዩ፤ ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ፅቡቕ ተነበየ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">“ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓዲግኩም፥ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፤ [ከም ምሕፃብ መሳተያን፥ ካልእ ኣቑሑ ገዛን፥ ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።]</verse>
				<verse number="9">ናይ ባዕልኻትኩም ስርዓት እናሓለኹም፥ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኽትጥሕሱ ግቡእ ድዩ?</verse>
				<verse number="10">ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ቍርባን እዩ፤’ ማለት፥ መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥</verse>
				<verse number="12">ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሰራዕኹምዎ ስርዓት ክትብሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙሕ ትገብሩ ኣለኹም።”</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ፦ “ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ኣስተውዕሉውን።</verse>
				<verse number="15">ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤</verse>
				<verse number="16">ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ፥ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ኵሉ ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ፥ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም?</verse>
				<verse number="19">ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይኣቱን፤ ንዅሉ መብልዕ እናፃረየ ድማ ናብ ደገ ይወፅእ።”</verse>
				<verse number="20">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሰብ ዘርክሶ፥ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥</verse>
				<verse number="22">ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።</verse>
				<verse number="23">እዝ ዅሉ ኽፍኣት ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።”</verse>
				<verse number="24">ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኽሕባእ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መፀት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ።</verse>
				<verse number="26">እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወለደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ድማ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ሕደጊ፤ ቅድም እቶም ውሉድ ይፅገቡ” በላ።</verse>
				<verse number="28">ንሳ ድማ “እወ፥ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተ ኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም፥ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ “እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ።</verse>
				<verse number="30">ናብ ገዛኣ ምስ ተመለሰት ድማ፥ እቲ ጋኔን ወፂኡ፥ እታ ጓላውን ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ረኸበታ።</verse>
				<verse number="31">መሊሱ ኻብ ሃገር ጢሮስ ወፂኡ፥ ብሲዶና ገይሩ ብማእኸል ዓሰርተ ከተማታት ዝበሃል ዓዲ፥ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።</verse>
				<verse number="32">ሓደ ፀማምን በሃምን ናብኡ ኣምፂኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="33">ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ፥ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ።</verse>
				<verse number="34">ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸዓ “ኤፍታሕ!” በለ፤ ንሱውን “ተኸፈት” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="35">ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፈታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣፅርዩውን ተዛረበ።</verse>
				<verse number="36">ንሓደኳ ኸይነግሩ ብፅኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ህዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዘጠንቀቖም ኣብዚሖም ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="37">ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">በቲ ቕነ እቱይ ብዙሕ ህዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ፥ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦</verse>
				<verse number="2">“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም እዮም፤ ዝብላዕ ከዓ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="3">ካብኣቶም ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ብጥሙዮም ነናብ ገዛኦም እንተ ኣፋነኹዎም፥ ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ነዝ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸፅግብ ዝኽእል መን እዩ?” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሸውዓተ እንጀራ ሒዙ ኣመስጊኑ ቘረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸቕርቡሎም ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።</verse>
				<verse number="7">ቁሩብ ዓሳውን ነበሮም፤ ንእኡውን ባሪኹ፥ ከቕርቡሎም ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="8">በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ ኸደ።</verse>
				<verse number="11">ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መፂኦም ክከራኸርዎ ጀመሩ፤ ክፍትንዎውን፥ “ካብ ሰማይ ምልክት ኣርእየና” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ድማ ብመንፈሱ እናሓዘነ፥ “እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="13">ሓዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።</verse>
				<verse number="14">ደቀ መዛሙርቱ ምሓዝ እንጀራ ስለ ዝረስዑ፥ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ?</verse>
				<verse number="18">ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም?</verse>
				<verse number="19">እቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዓሰርተ ኽልተ” በልዎ።</verse>
				<verse number="20">“እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መፁ ድማ፥ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክድህስሶ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን፥ ኢዱ ኣንበረሉ፤ “ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።</verse>
				<verse number="24">ቆላሕ ኢሉ ድማ “ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፥ ኣፀቢቑ ረአየ፤ ኵሉውን በሪሁ ተርኣዮ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ ከዓ “ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፤ ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ናብ ገዛኡ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብለኒ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።</verse>
				<verse number="31">ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታት ህዝብን፥ ብሊቃነ ካህናትን፥ ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እውን ክትስእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ።</verse>
				<verse number="32">ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ “እዙይ ኣይኸውንን” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ።</verse>
				<verse number="34">ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ፥ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።</verse>
				<verse number="36">ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?</verse>
				<verse number="37">ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?</verse>
				<verse number="38">እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ቀፂሉውን ኢየሱስ “ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ ኽትመፅእ እንተላ ኽሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፥ ንበይናቶም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ትርኢቱ ተለወጠ።</verse>
				<verse number="3">ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ፥ ተርኣይዎም።</verse>
				<verse number="5">ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ብሩህ ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።</verse>
				<verse number="8">ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ፥ ኢየሱስ በይኑ እምበር፥ ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ፥ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ክሳዕ ዝትስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ቓል ኣብ ልቦም ሒዞም፥ “ካብ ሞት ምትሳእ ማለት እንታይ ማለት እዩ?” እናበሉ ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="13"></verse>
				<verse number="14">ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፥ መምህራን ሕጊ እውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ኢድ ነስኡሉ።</verse>
				<verse number="16">ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ “ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="17">ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸዓ “መምህር፥ ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝሓዞ፥ ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅፅውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን” በሎ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ናብኡ ድማ ኣምፅእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነፅሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤</verse>
				<verse number="22">ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ፥ ብዙሕ ሻዕ ኣብ ሓዊን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተ ዄንካ ራህርሀልና፥ ርድአናውን” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ኣቦ እቲ ቘልዓ፥ “እኣምን እየ፤ ንዘይምእማነይ ርድኣዮ” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ እቶም ሰባት እንትጐዩ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ኣታ በሃምን ፀማምን መንፈስ፥ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!” እናበለ ገሰፆ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቘልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙሓት “ሞይቱ” ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ፥ ከም ሬሳ ኾነ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ኮይኖም “ስለ ምንታይ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ኸዓ “እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ዓሌት ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ሓለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="31">ንደቀ መዛሙርቱውን “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትስእ እዩ” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ቅፍርናሆም በፂሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ፥ መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="36">ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦</verse>
				<verse number="37">“ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም።</verse>
				<verse number="38">ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ብኣይ ክፉእ ኽዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ።</verse>
				<verse number="40">ኵሉ ዘይቃወመና ምሳና እዩ።</verse>
				<verse number="41">ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="42">“ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ ነይሩ።</verse>
				<verse number="43">ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ቝረፃ፤ ምስ ክልተ ኢድካ [ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ] ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ቈራፅ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="44"></verse>
				<verse number="45">እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን ቍረፃ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="46"></verse>
				<verse number="47">ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኣዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ይሕሸካ።</verse>
				<verse number="48"></verse>
				<verse number="49">ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፤ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር።</verse>
				<verse number="50">ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከደ። መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ከም ልማዱውን መሃሮም።</verse>
				<verse number="2">ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መፂኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓ ይግባእ ድዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ድማ “ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዘዘኩም?” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ “ሙሴስ መፍትሒኣ ፅሑፍ ፅሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ከዓ፦ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም እዩ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ዝፀሓፈልኩም።</verse>
				<verse number="6">ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ።</verse>
				<verse number="8">ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።</verse>
				<verse number="9">እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ።</verse>
				<verse number="12">እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱውን ትዝሙ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ኢዱ ኸንብረሎም ድማ፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም።</verse>
				<verse number="15">እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ሓቘፎም፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንቢሩ ድማ ባረኾም።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መፂኡ ሰገደሉ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ድማ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን።</verse>
				<verse number="19">ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ “መምህር፥ እዝ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓሊየዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ በዝ ቓል እዙይ ሓዘነ፤ እናጐሃየውን ከደ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ፥ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ!” በሎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ በዝ ቓል እዙይ ተገረሙ፤ ኢየሱስ ድማ መሊሱ፦ “ደቀይ! ብሃብቲ ንዝተኣማመኑ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ከመይ ከቢድ እዩ!</verse>
				<verse number="25">ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ፥ “እዙይ ብእግዚኣብሄር እምበር፥ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ጴጥሮስ ከዓ “እንሆ እምበኣር ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ” ኽብሎ ጀመረ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ኣሓት፥ ወይ እኖ፥ ወይ ኣቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ገራሁ ዝሓደገ፥</verse>
				<verse number="30">ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት፥ ገዛ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ እኖ፥ ውሉድ፥ ገራሁ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ዘይኽፈል፥ ኣብ ዝመፅእ ዓለም ከዓ፥ ህይወት ዘለኣለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="31">ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።”</verse>
				<verse number="32">ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ይቕድሞም ነበረ፤ ንሳቶም ከዓ ተገረሙ። እቶም ዝተኸተልዎውን ፈርሑ። ኢየሱስ ድማ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ወሲዱ፥ እቲ ኽበፅሖ ዘለዎ ኽነግሮም ጀመረ።</verse>
				<verse number="33">“እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከትሕዝዎ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ንሞት ክፈርድዎ፥ ንኣህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤</verse>
				<verse number="34">ንሳቶምውን ከላግፁሉ፥ እንትፍ ክብሉሉ፥ ክገርፍዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="35">ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="36">ንሱ ኸዓ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="37">ንሳቶም ድማ “ኣብ ክብርኻ ሓዲና ብየማንካ፥ ሓዲና ድማ ብፀጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” በልዎ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ግና “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩ፥ እቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ?” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትይዎ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቅዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="40">ኣብ የማነይን ኣብ ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ኣቦይ ንዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።</verse>
				<verse number="41">እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርት እዙይ ሰሚዖም፥ ብያእቆብን ዮሃንስን ተቘጥዑ።</verse>
				<verse number="42">ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፦ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="43">ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።</verse>
				<verse number="44">እቲ ኻባኻትኩም ልዕሊ ዅሉ ክኸውን ዝደሊ ኸዓ፥ ንሱ ተኣዛዚኹም ይኹን።</verse>
				<verse number="45">ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="46">ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወፅእ እንተሎ፥ በርጤሜዎስ፥ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።</verse>
				<verse number="47">ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ዓው ኢሉ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ!” ኽብል ጀመረ።</verse>
				<verse number="48">ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ዓው ኢሉ “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረኒ!” በለ።</verse>
				<verse number="49">ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ “ፀውዕዎ” በለ። ነቲ ዕውር ፀዊዖም ከዓ “ኣይዞኻ፥ ተስእ! ኢየሱስ ይፅውዐካ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="50">ንሱ ኸዓ ኽዳኑ ደርቢዩ፥ ተሲኡ ናብ ኢየሱስ መፀ።</verse>
				<verse number="51">ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ “መምህር፥ ክርኢ” በሎ።</verse>
				<verse number="52">ኢየሱስ ከዓ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ናብ ኢየሩሳሌም ንምእታው፥ ጥቓ ደብረ ዘይት ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ፥ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="2">“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ናብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።</verse>
				<verse number="3">ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በሉዎ፤ ሽዑ ኽሰዶ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ምስ ከዱ ኸዓ፥ ነቲ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ።</verse>
				<verse number="5">ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኣቶም “ነቲ ገልገል ኣድጊ ንምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ሓደግዎም።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ገልገል ኣድጊ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፤ ክዳውንቶምውን ጐዝጐዙሉሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="8">ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መንገዲ ኽዳውንቶም ጐዝጐዙ። ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ይንስንሱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ዝመርሑን እቶም ዝስዕቡን ድማ “ሆሳዕና! ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ!</verse>
				<verse number="10">እታ እትመፅእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊትውን ብርኽቲ እያ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ ኣብ ዙርያኡ ግልፅ እናበለ ንዅሉ ምስ ረአየ፥ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቢታንያ ኸደ።</verse>
				<verse number="12">ንፅባሒቱ ኻብ ቢታንያ ኽወፁ እንተለዉ ኢየሱስ ጠመየ።</verse>
				<verse number="13">ብርሑቕ ድማ ቘፃል በለስ ረአየ፤ ፍረ እንተ ረኸበላ ኽርኢውን ናብኣ ኸደ፤ ኣብኣ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ እንትርፊ ቘፅሊ ፍረ ኣይረኸበላን።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ “ደጊም ካባኺ ሓደኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ!” በላ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ኽሰጎም ጀመረ። ጠረጴዛ መሽረፍትን መደርደሪ ሸየጥቲ ርግብን ገምጠለ።</verse>
				<verse number="16">ሓደኳ ኣቕሓ ፆይሩ፥ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን።</verse>
				<verse number="17">“ ‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ’ ዝብልዶ ተፅሒፉ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ ገበርኩምዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሰሚዖም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ። እንተ ኾነ ዅሉ ህዝቢ፥ ብትምህርቱ ይድነቕ ስለ ዝነበረ፥ ፈርሕዎ።</verse>
				<verse number="19">ምስ መሰየ ድማ ኻብታ ኸተማ ወፀ።</verse>
				<verse number="20">ንግሆ ኽሓልፉ እንተለዉ፥ እታ በለስ ካብ ሱራ ነቒፃ ረአይዋ።</verse>
				<verse number="21">ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ “መምህር፥ እታ ዝረገምካያ በለስ እኒሃ ነቒፃ” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፥ “ብእግዚኣብሄር እመኑ፤</verse>
				<verse number="23">ኵሉ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍፀም እንተይተጠራጠረ ብልቡ ዝኣምን፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ፥ ከም ዝኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ኵሉ እትፅልይዎን እትልምንዎን፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ፥ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ።</verse>
				<verse number="26">ንስኻትኩም ይቕረ እንተ ዘይልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩምውን፥ በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="27">መሊሶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክመላለስ እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይትን ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="28">“በየናይ ስልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ “ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም መልሱለይ፤ ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።</verse>
				<verse number="30">ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ? እስኪ መልሱለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ከዓ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብዶ ኽንብሎ?” በሉ። እንተ ኾነ እቶም ህዝቢ ዅሎም፥ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ህዝቢ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="32"></verse>
				<verse number="33">ስለዙይ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ፤ ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምፅአሉ፥ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ግና ሒዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="4">መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም፥ ኣዋሪዶም ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="5">ከምኡውን ሳልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኣቶም ገረፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ቐተልዎም።</verse>
				<verse number="6">ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሓረስቶት ግና፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎ እሞ፥ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን’ ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="8">ሒዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፥ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ፥ ንኻልኦት ይህቦ።</verse>
				<verse number="10">‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’ ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">መራሕቲ ኣይሁድ ግና፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፥ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ነቶም ህዝቢ ፈሪሖም ግና፥ ሓዲጎምዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="13">ብዘረባኡ ኸጋግይዎ ኢሎም ከዓ፥ ካብ ፈሪሳውያንን ሰባት ሄሮድስ ካብ ዝኾኑን ናብኡ ለኣኹ።</verse>
				<verse number="14">ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።</verse>
				<verse number="18">ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መፁ፤</verse>
				<verse number="19">“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ሓዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ፅሒፉልና ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይሓደገ ሞተ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይሓደገውን ሞተ፤ እቲ ሳልሳይውን ከምኡ።</verse>
				<verse number="22">ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይሓደጉን፤ ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።</verse>
				<verse number="23">ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሳኤ ምዉታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “መፃሕፍትን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም?</verse>
				<verse number="25">ምዉታን ምስ ተስኡስ፥ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝኾኑ እምበር፥ ኣየውስቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም።</verse>
				<verse number="26">ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ?</verse>
				<verse number="27">እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙሕ ትጋገዩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="28">ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ፥ ከም ዝተኸራኸርዎሞ፥ ፅቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ፥ ናብኡ ቐረበ። “ካብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="30">ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’</verse>
				<verse number="31">እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="32">እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን።</verse>
				<verse number="33">‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ “መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?</verse>
				<verse number="36">ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።</verse>
				<verse number="37">ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="38">እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፥ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፥ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ!</verse>
				<verse number="39"></verse>
				<verse number="40">ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ከምስሉ ድማ ኣንዊሖም ዝፅልዩ እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ “ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምፅዋት ዘእተዉ ዅሎም፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝሕ ከም ዘእተወት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="44">ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ረአ” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስ ከዓ “ነዝ ዓብዪ ህንፃዶ ትሪኦ ኣለኻ? እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይተረፈ ዅሉ ኽፈርስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት፥ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን፥ ንበይናቶም ቅርብ ኢሎም፦</verse>
				<verse number="4">“እዝ ነገራት እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዝ ዅሉ መኣዝ ኸም ዝፍፀምከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ሓደኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፤</verse>
				<verse number="6">ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።</verse>
				<verse number="7">ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።</verse>
				<verse number="8">ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”</verse>
				<verse number="9">“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="10">ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።</verse>
				<verse number="12">ሓው ንሓዉ፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተሲኦም ክቐትልዎም እዮም።</verse>
				<verse number="13">ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።”</verse>
				<verse number="14">እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባታት ይህደሙ፤</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸዓ፥ ናብ ገዛ ኣይውረድ፤ ዝኾነ ኽማላእ ኢሉውን ናብ ገዛ ኣይእቶ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸዓ፥ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ።</verse>
				<verse number="17">በታ እዋን እቲኣ ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን!</verse>
				<verse number="18">ህድማኹም ብኽረምቲ ኸይኸውን ፀልዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="20">ነተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕፅረንስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፥ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን።</verse>
				<verse number="21">“ሽዑ ሓደኳ ‘ክርስቶስ ኣብዙይ እኒሆ’ ወይ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ።</verse>
				<verse number="22">ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="24">“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።</verse>
				<verse number="25">ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ብብዙሕ ሓይልን ክብርን ብደመና ኽመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።”</verse>
				<verse number="28">“ናይዙይ ምስላ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቘፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ፥ እዝ ነገራት እዙይ ክኸውን እንተሎ ምስ ረአኹም፥ ምፅኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበፅሐ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="30">እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="31">ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”</verse>
				<verse number="32">“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።</verse>
				<verse number="33">ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን።</verse>
				<verse number="34">ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።</verse>
				<verse number="35">እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’።</verse>
				<verse number="36"></verse>
				<verse number="37">እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እንተ ኾነ “ኣብ ህዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን” በሉ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምፃም፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ መፀት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።</verse>
				<verse number="4">ገሊኣቶም ኰሪዮም “እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ?</verse>
				<verse number="5">እዝ ሽቱ እዙይ፥ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ፥ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ግና “ነዛ ሰበይቲ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ሕደግዋ፤ ሰናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ።</verse>
				<verse number="7">ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።</verse>
				<verse number="9">እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፥ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎውን ተሰማምዑ፤ ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="14">ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ፥ ነቲ በዓል ገዛ ‘መምህር፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ።</verse>
				<verse number="17">ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ መፀ።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ሓደ ኻባኻትኩም፥ እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ፥ ከም ዘትሕዘኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ከዓ ኽሓዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን “ኣነ ደኾን እኸውን?” በሉ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ከዓ “ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኽልቴኹም እቲ ምሳይ ኣብ ፃሕሊ ዝፀብሕ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ወዲ ሰብስ፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይስ፥ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቈሪሱ ኸዓ “እንኩ፥ እዙይ ስጋይ እዩ” ኢሉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="23">ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ድማ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ፥ ክብተና እየን’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="29">ጴጥሮስ ድማ “ኵሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ከዓ “ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ጴጥሮስ ሽዑ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ፈፂመ ኣይክሕደካን እየ” እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኵሎምውን ከምኡ በሉ።</verse>
				<verse number="32">ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታውን መፁ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ፥ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።</verse>
				<verse number="34">“ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ትግሁውን”</verse>
				<verse number="35">ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ፀለየ።</verse>
				<verse number="36">“ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ።</verse>
				<verse number="37">ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ “ስምኦን፥ ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን?</verse>
				<verse number="38">ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተጊህኹም ፀልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ እሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝፀለዮ ፀለየ።</verse>
				<verse number="40">ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ፥ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ።</verse>
				<verse number="41">ንሳልሳይ ጊዜ መፂኡ ኸዓ፦ “ደጊም ደቅሱ ዕረፉ፤ ይኣክል! እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ እንሆ፥ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም።</verse>
				<verse number="42">ተልዓሉ፤ ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትሕዘኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="44">እቲ ዘትሕዞ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ፤ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ይሁዳ መፂኡ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።</verse>
				<verse number="46">ንሳቶም ከዓ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="47">ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ።</verse>
				<verse number="48">ኢየሱስ ድማ “ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም?</verse>
				<verse number="49">ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="50">ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።</verse>
				<verse number="51">ሓደ ዕርቃኑ ብነፀላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="52">ንሱ ድማ ነፀላኡ ሓዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ።</verse>
				<verse number="53">ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ፥ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="54">ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡውን፥ ሓዊ ይስሕን ነበረ።</verse>
				<verse number="55">ሊቃነ ካህናትን ኵሉ እቲ መጋባእያን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን።</verse>
				<verse number="56">ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።</verse>
				<verse number="57">ገሊኣቶም ሰባት ተሲኦም “ ‘ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሃንፀ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ካልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፅ እየ’ እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ” እናበሉ ብሓሰት መስከሩ።</verse>
				<verse number="58"></verse>
				<verse number="59">በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን።</verse>
				<verse number="60">እቲ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “በዝ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ?” ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="61">ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="62">“ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽትሪእዎ ኢኹም” በሎ።</verse>
				<verse number="63">እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና?</verse>
				<verse number="64">ፀርፉ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ?” በለ። ኵሎም ከዓ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ።</verse>
				<verse number="65">ገሊኣቶም ድማ እንትፍ ክብሉሉን፥ ገፁ ጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!” ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽርውን እናፀፍዑ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="66">ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕፅሪ እንተሎ፥ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መፀት።</verse>
				<verse number="67">ጴጥሮስ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ፥ ኣተኲራ እናጠመተት፥ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ” በለቶ።</verse>
				<verse number="68">ንሱ ግና “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፤ ኣየስተውዕሎንውን” ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቅፅሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ።</verse>
				<verse number="69">እታ ገረድ ድማ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ “እዙይውን ካብኣቶም እዩ” በለቶም።</verse>
				<verse number="70">ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="71">ንሱ ግና “ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ።</verse>
				<verse number="72">ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘኪሩ፥ ኣምሪሩ በኸየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ምስ ወግሐ፥ ሽዑ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን፥ ብምሉኡ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፤ ንኢየሱስ ድማ ኣሲሮም ወሰድዎ፤ ኣሕሊፎም ከዓ ንጲላጦስ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="2">ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="3">እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ፥ ብብዙሕ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን።</verse>
				<verse number="4">ጲላጦስ ከዓ “እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ መሊሱ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።</verse>
				<verse number="6">እንሆ ኸዓ በብበዓል፥ ንሳቶም ዝለመንዎ፥ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ምስቶም ሁከት ዝገበሩን፥ ነፍሲ ዝቐተሉን፥ በርባን ዝበሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ህዝቢ ድማ ደዪቦም፥ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ።</verse>
				<verse number="9">ጲላጦስ መሊሱ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት፥ ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ፥ ነቶም ህዝቢ ኣለዓዓልዎም።</verse>
				<verse number="12">ጲላጦስ ደጊሙ “ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ፥ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ከዓ፥ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="14">“እንታይ ክፉእኸ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ።</verse>
				<verse number="15">ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዅሉ እቲ ሰራዊት ድማ ኣከብዎ።</verse>
				<verse number="17">ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ከዓ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ።</verse>
				<verse number="18">“ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ኢድ ነሲኦም ሓጨጩሉ።</verse>
				<verse number="19">ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ ከዓ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="20">ምስ ኣባጨዉሉ፥ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም፥ ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="21">ኣቦ እስክንድሮስን ሮፎስን ንዝኾነ፥ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ፥ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ።</verse>
				<verse number="22">ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ፥ ትርጉሙ ኸዓ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ቦታ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="23">ምስ ከርበ ዝተሓወሰ ወይኒ ድማ፥ ክሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብፅሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።</verse>
				<verse number="25">ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ፥ ሰለስተ ሰዓት ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ናይ መኽሰሲኡ ፅሑፍውን “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተፅሒፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።</verse>
				<verse number="28">እቲ “ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ” ዝብል ፅሑፍውን ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ድማ፥ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርስ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እውን እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን፤ ካብ መስቀልውን ውረድ!” እናበሉ ይፀርፍዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ከምኡ ኸዓ፥ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="32">ንሱ መሲሕ፥ ንጉስ እስራኤል እንተ ኾይኑ፥ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀሉ ይውረድ” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይፀርፍዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ።</verse>
				<verse number="34">ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። ትርጕሙ ድማ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="35">ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ገሊኣቶም “እንሆ፥ ንኤልያስ ይፅውዕ ኣሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="36">ሓደ ግና ጐይዩ፥ ሰፍነግ ኣብ መፂፅ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስኪ ሕደጉ፤ ኤልያስ መፂኡ እንተ ኣውረዶ ኽንርኢ ኢና” እናበለ ኣስተዮ።</verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ሃበ።</verse>
				<verse number="38">መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ።</verse>
				<verse number="39">እቲ ኣብ መንፅሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ስጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ “እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ ነይሩ” በለ።</verse>
				<verse number="40">እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዓድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ከዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያእቆብን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ።</verse>
				<verse number="41">ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዛሕተን እተን ካልኦት ግና፥ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ።</verse>
				<verse number="42">ምሸት ዓርቢ ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ።</verse>
				<verse number="43">እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበ፥ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መፀ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ስጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ።</verse>
				<verse number="44">ጲላጦስ ድማ፥ ቀልጢፉ ብሙማቱ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ ኸዓ “ብርግፅዶ ሞይቱ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="45">ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ከም ዝሞተ ምሰረጋገፀ፥ ስጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ።</verse>
				<verse number="46">ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዅሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ከዓ፥ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ።</verse>
				<verse number="47">ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም እኖ ዮሳን ድማ፥ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይሪኣ ነበራ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ሰንበት ምስ ሓለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያእቆብን፥ ሰሎሜን ስጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑዝ ሽቱ ዓደጋ።</verse>
				<verse number="2">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ፥ ናብቲ መቓብር ገስገሳ።</verse>
				<verse number="3">ንስንሳተን ከዓ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?” ተበሃሃላ፤ እቲ እምኒ የመና ገዚፍ ነበረ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ፥ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ።</verse>
				<verse number="5">ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ፥ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።</verse>
				<verse number="8">[ፍርሓትን ራዕድን] ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን።</verse>
				<verse number="9">[በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ኻብ ምውታን ምስ ተስአ፥ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርኣያ።</verse>
				<verse number="10">ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርኣዮም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።</verse>
				<verse number="14">ብድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርኣዮም፤ ነቶም ምስ ተስአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ፥ ብዘይ ምእማኖምን ብትረት ልቦምን ገሰፆም።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥</verse>
				<verse number="18">ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”</verse>
				<verse number="19">ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="20">ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።]</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="42">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈፀመ ነገራት ክፅሕፉ ዝጀመሩ፥</verse>
				<verse number="2">እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፥ ናይቲ ቓል ኣገልገልትን፥ ናባና ዝተሓላለፈ፥</verse>
				<verse number="3">ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ፥ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት፥ ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።</verse>
				<verse number="6">ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ፥</verse>
				<verse number="9">ከም ስርዓት ካህናት፥ ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በፅሖ።</verse>
				<verse number="10">በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ።</verse>
				<verse number="12">ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ዓብዪ ፍርሓትውን ወረዶ።</verse>
				<verse number="13">እቲ መልኣኽ ድማ፦ “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ካብ ህዝቢ እስራኤል ንብዙሓት፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።”</verse>
				<verse number="18">ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ሰበይተይውን መዋእላ ሓሊፉ እዩ፤ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክፈልጦ እየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።</verse>
				<verse number="22">ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="24">ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት እሞ፥ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንባዕላ ሓብአት።</verse>
				<verse number="25">“ጐይታይ በዘን መዓልቲታት እዚኣተን ተመልከተኒ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝነበረኒ ውርደተይውን ኣርሓቐለይ” በለት።</verse>
				<verse number="26">ብሻድሻይ ወርሒ መልኣኽ ገብርኤል፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ ገሊላ፥ ካብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ፥ ዮሴፍ ንዝበሃል ሰብ፥ ናብ ዝተሓፀየት ናብ ሓንቲ ድንግል፥ ካብ እግዚኣብሄር ተልኣኸ፤ ስም እታ ድንግል ከዓ ማርያም ይበሃል።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዘላቶ ኣትዩ፥ “ኦ ምልእተ ፀጋ ደስ ይበልኪ! እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ።</verse>
				<verse number="29">ንሳ ድማ ምስ ረአየቶ በቲ ቓሉ ደንገፀት፤ “ከመይ ዝበለ ሰላምታ እዩ?” ኢላውን ሓሰበት።</verse>
				<verse number="30">እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ።</verse>
				<verse number="31">እንሆ ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ።</verse>
				<verse number="32">ንሱ ዓብዪ ክኸውን፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ።</verse>
				<verse number="33">ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። ንመንግስቱውን መወዳእታ የብሉን” በላ።</verse>
				<verse number="34">ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ።</verse>
				<verse number="35">እቲ መልኣኽ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል እግዚኣብሄርውን ከፅልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ።</verse>
				<verse number="36">እንሆ እታ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እኳ፥ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን ዝተብሃለት እዙይ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፤</verse>
				<verse number="37">ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።”</verse>
				<verse number="38">ማርያም ድማ “እኒሀኹ፥ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ።</verse>
				<verse number="39">በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት።</verse>
				<verse number="40">ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ፥ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።</verse>
				<verse number="41">ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀና ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።</verse>
				<verse number="42">ብዓብዪ ድምፂውን ከምዙይ በለት፦ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማህፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ።</verse>
				<verse number="43">እኖ ጐይታይ ናባይ ክትመፂኸ፥ እዙይ ይግብአኒ ድዩ?</verse>
				<verse number="44">እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ።</verse>
				<verse number="45">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።”</verse>
				<verse number="46">ማርያም ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተመስግኖ፤</verse>
				<verse number="47">መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ።</verse>
				<verse number="48">ውርደት ባርያኡ ሪኡ እዩ እሞ፥ እንሆ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ፥ ኵሎም ትውልዲ ብፅእቲ ኽብሉኒ እዮም።</verse>
				<verse number="49">እቲ ሓያል፥ ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፥ ስሙውን ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="50">ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።</verse>
				<verse number="51">ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።</verse>
				<verse number="52">ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።</verse>
				<verse number="53">ንጥሙያት ብበረኸት ኣፅገቦም፤ ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።</verse>
				<verse number="54">ከምቲ ነቦታትና፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፥ ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፥ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት።</verse>
				<verse number="55"></verse>
				<verse number="56">ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል፥ ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ፥ ብድሕሪኡ ናብ ገዛኣ ተመለሰት።</verse>
				<verse number="57">ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ በፅሐ፤ ወዲ ድማ ወለደት።</verse>
				<verse number="58">ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="59">ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="60">እኖኡ ግና “ኣይፋሉን፤ ዮሃንስ ተብሂሉ እዩ ዝፅዋዕ” ኢላ መለሰት።</verse>
				<verse number="61">ንሳቶም ከዓ “ካብ ኣዝማድኪ በዝ ስም እዙይ ዝፅዋዕ ሓደኳ የለን” በልዋ።</verse>
				<verse number="62">ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="63">ንሱ ኸዓ ዝፅሕፈሉ ሉሕ ኽህብዎ ጠዪቑ “ዮሃንስ” ይበሃል ኢሉ ፀሓፈ፤ ኵሎም ድማ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="64">ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ፤ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣመስገኖ።</verse>
				<verse number="65">ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ድማ ፍርሓት ወረደ። እዝ ነገር እዙይውን፥ ኣብ እምባታት ይሁዳ ዝርከባ ዓድታት ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="66">ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ምስቲ ህፃን ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም እቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዕዎ “እዝ ህፃን እዙይስ፥ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ?” እናበሉ ኣብ ልቦም ይዓቝርዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="67">ነቦኡ ዘካርያስ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ከምዙይ ኢሉውን ተነበየ፦</verse>
				<verse number="68">“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።</verse>
				<verse number="69">ከምቲ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ፥ ሓይሊ ምድሓን ኣተስአልና።</verse>
				<verse number="70"></verse>
				<verse number="71">ካብ ፀላእትናን፥ ካብ ኢድ ኵሎም እቶም ዝፃረሩናን ምእንቲ ኸድሕነና፥</verse>
				<verse number="72">ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፥ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።</verse>
				<verse number="73">እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ፥</verse>
				<verse number="74">ካብ ኢድ ፀላእትና ድሒንና፥ ብዘይ ፍርሓት ክነምልኾ፥</verse>
				<verse number="75">ብዅሉ ዘመን ህይወትናውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።</verse>
				<verse number="76">ኣታ ህፃንውን መንገዲ ልዑል ክትፀርግ፥ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ክትከይድ ኢኻ እሞ፥ ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="77">ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥ ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።</verse>
				<verse number="78">በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥ ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።</verse>
				<verse number="79">ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”</verse>
				<verse number="80">እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገለፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።</verse>
				<verse number="2">እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ዅሉ ሰብ ክምዝገብ፥ ነናብ ዓዱ ኸደ።</verse>
				<verse number="4">ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በፅሐ።</verse>
				<verse number="7">በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።</verse>
				<verse number="8">ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="10">እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="11">ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦</verse>
				<verse number="14">“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="16">ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም።</verse>
				<verse number="17">ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ህፃን ዝተነገሮም ነገር ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ዝሰምዑ ዅሎም ከዓ፥ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።</verse>
				<verse number="19">ማርያም ግና፥ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ትሓስቦን ነበረት።</verse>
				<verse number="20">እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን፥ ንእግዚኣብሄር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ።</verse>
				<verse number="21">ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ።</verse>
				<verse number="25">እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን፥ መንፈስ ቅዱስ ገሊፁሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ።</verse>
				<verse number="28">ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦</verse>
				<verse number="29">“ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤</verse>
				<verse number="30">ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ።</verse>
				<verse number="31">እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ዘዳሎኻዮ ድሕነት እዩ፤</verse>
				<verse number="32">ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”</verse>
				<verse number="33">ዮሴፍን እኖኡን ግና፥ በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ።</verse>
				<verse number="34">ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።</verse>
				<verse number="35">በዙይ ናይ ብዙሓት ሓሳባት ልቦም ክግለፅ እዩ፤ ንኣኺ ግና ብነፍስኺ ሰይፊ ኽሓልፍ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="36">ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት።</verse>
				<verse number="37">ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።</verse>
				<verse number="39">ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="41">እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="42">ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።</verse>
				<verse number="43">ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="44">ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፥ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ።</verse>
				<verse number="45">ምስ ሰኣንዎ ግና፥ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="46">ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="47">ዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ።</verse>
				<verse number="48">ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን፥ ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ።</verse>
				<verse number="49">ንሱ ድማ “ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ፥ ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="50">ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።</verse>
				<verse number="51">ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።</verse>
				<verse number="52">ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥</verse>
				<verse number="2">ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤</verse>
				<verse number="5">ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤</verse>
				<verse number="6">ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥</verse>
				<verse number="7">ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም?</verse>
				<verse number="8">እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።</verse>
				<verse number="14">ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ህዝቢ ኣብ ትፅቢት ነበሩሞ፥ ኵሎም ንዮሃንስ “እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?” እናበሉ ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="18">ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ።</verse>
				<verse number="19">እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥</verse>
				<verse number="20">ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።</verse>
				<verse number="21">ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ።</verse>
				<verse number="22">መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤</verse>
				<verse number="24">ወዲ ኤሊ፥ ወዲ ማቲ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥</verse>
				<verse number="25">ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥ ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥</verse>
				<verse number="26">ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ሴሜይ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥</verse>
				<verse number="27">ወዲ ዮናን፥ ወዲ ሬስ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥</verse>
				<verse number="28">ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ሓዲ፥ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም፥ ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥</verse>
				<verse number="29">ወዲ ዮሴዕ፥ ወዲ ኤልኣዘር፥ ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥</verse>
				<verse number="30">ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥</verse>
				<verse number="31">ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ማይናን፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥</verse>
				<verse number="32">ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥</verse>
				<verse number="33">ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥</verse>
				<verse number="34">ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥</verse>
				<verse number="35">ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ኤቤር፥ ወዲ ሳላ፥</verse>
				<verse number="36">ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥</verse>
				<verse number="37">ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥</verse>
				<verse number="38">ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥ ወዲ እግዚኣብሄር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ።</verse>
				<verse number="3">ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ፥ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ዄንካስ፥ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር።</verse>
				<verse number="10">‘ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤</verse>
				<verse number="11">እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ናብ ገሊላ ተመለሰ፤ ዝናኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ኸባቢ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ፥ ኵሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ።</verse>
				<verse number="17">መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦</verse>
				<verse number="18">“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥</verse>
				<verse number="19">ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።”</verse>
				<verse number="20">ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ኣስዒቡ ኸዓ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይኸብር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ብዘመን ኤልያስ፥ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝተዓፅወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እውን ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን።</verse>
				<verse number="27">ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምፃማት ነይሮም፥ እንተ ኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን፥ ካብኣቶም ሓደኳ ኣይነፅሀን” በሎም።</verse>
				<verse number="28">እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዅሎም፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ የመና ተቘጥዑ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ተሲኦም ካብቲ ዓዲ፥ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከፅድፍዎውን ዓዶም ተሰሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።</verse>
				<verse number="31">ድሕሪዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="32">ቃሉ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="33">ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን፥ ንሱውን ርኹስ መንፈስ፥ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፤ ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ</verse>
				<verse number="34">“ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ኢኻ” እናበለ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ግና “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ፃሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ።</verse>
				<verse number="36">ኵሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ” እናበሉ ተዘራረቡ።</verse>
				<verse number="37">ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ናብ እንዳ ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፥ ብዛዕባኣውን ለመንዎ።</verse>
				<verse number="39">ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።</verse>
				<verse number="40">ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ፥ ንዅሎም እቶም በብዓይነቱ ዝኾነ ሕማም ዝነበሮም ናብኡ ኣምፅእዎም። ንሱ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ እናንበረ ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="41">ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ኻብ ብዙሓት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሰፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።</verse>
				<verse number="42">ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ።</verse>
				<verse number="43">ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="44">ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ ይሰብኽ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ብዙሓት ህዝቢ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ ናብኡ እናተዳፍኡዎ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="6">ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።</verse>
				<verse number="8">ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ “ኪድ፥ ንባዕልኻ ብዛዕባኡ ኣርኢ፤ ስለ ዝነፃህካ ድማ፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ኣቕርብ እምበር፥ ንሓደኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="15">ዝናኡ ግና የመና ገኒኑ ተሰምዐ፤ ብዙሓት ህዝቢ እውን ክሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ክፍወሱን ናብኡ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="16">ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ክምህር እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን፥ ይሁዳን፥ ካብ ኢየሩሳሌምን፥ ዝመፁ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን፥ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዘሕውየሉ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እንሆ ኸዓ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእትዮምውን ንኽፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ፥ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፥ ነቲ ሰርወ ኣልዒሎም፥ ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄርከ፥ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ከዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ?</verse>
				<verse number="23">ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ፥ ‘ተሲእኻ ኺድ’ ምባል?</verse>
				<verse number="24">እምበኣር፥ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ነቲ መፃጕዕ፥ “ንኣኻ እብለካ ኣለኹ፥ ተስእ እሞ ዓራትካ ፆይርካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብድድ ኢሉ፥ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ፆይሩ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ፥ ናብ ገዛኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="26">ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርሓትውን ሓደሮም፤ “ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና!” እናበሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪዙይ ካብኡ ምስ ወፀ፥ ሌዊ ንዝበሃል ተቐባሊ ቐረፅ፥ ኣብ መቐበሊ ቀረፅ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፥</verse>
				<verse number="28">ተሲኡ ኸዓ ንዅሉ ሓዲጉ ተኸተሎ።</verse>
				<verse number="29">ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="30">መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ትበልዑን ትሰትዩን ኣለኹም?” እናበሉ ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ ከዓ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።</verse>
				<verse number="32">ንሓጥኣን ናብ ንስሃ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ጊዜ ይፆሙ፤ ፀሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለ ምንታይ ይበልዑን ይሰትዩን?” በልዎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ከዓ “ኣዕርኽቲ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይኽእሉን።</verse>
				<verse number="35">ግና እቲ መርዓዊ፥ ካብኣቶም ዝውሰደሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ክፆሙ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="36">ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም፥ “ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደኳ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ መልገባ፥ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይሰማማዕ፥ እቲ ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ነቲ ብላይ ይቐዶ።</verse>
				<verse number="37">ንሓድሽ ወይኒ እውን፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒ እውን፥ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ድማ ይበላሾ።</verse>
				<verse number="38">ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ።</verse>
				<verse number="39">ከራሚ ወይኒ እናሰተየ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑም ይብል እምበር፥ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">“ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="6">ብኻልእ ሰንበት ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።</verse>
				<verse number="10">ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።</verse>
				<verse number="13">ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥</verse>
				<verse number="15">ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥</verse>
				<verse number="16">ይሁዳ ወዲ ያእቆብን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ፥ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ድማ፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥</verse>
				<verse number="18">ምእንቲ ኽሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መፁ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ።</verse>
				<verse number="19">ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ፥ ንዅሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">ሰባት ምእንቲ ‘ወዲ ሰብ’ እንተ ፀልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ፀረፉኹም፥ ንስምኩምውን እንተ ኣነወርዎ፥ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">እንሆ ኣቦታቶም ድማ፥ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ።</verse>
				<verse number="24">ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="25">ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="26">ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="27">“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ።</verse>
				<verse number="28">ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ።</verse>
				<verse number="29">መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ።</verse>
				<verse number="30">ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ።</verse>
				<verse number="31">ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።</verse>
				<verse number="32">“ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም።</verse>
				<verse number="33">ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም።</verse>
				<verse number="34">ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም።</verse>
				<verse number="35">ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="36">ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።</verse>
				<verse number="37">“ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="38">ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።”</verse>
				<verse number="39">መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም?</verse>
				<verse number="40">ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን።</verse>
				<verse number="41">“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ?</verse>
				<verse number="42">ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።</verse>
				<verse number="43">“ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን።</verse>
				<verse number="44">በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ።</verse>
				<verse number="45">ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ።</verse>
				<verse number="46">“ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ?</verse>
				<verse number="47">ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ።</verse>
				<verse number="48">ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="49">እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ፥ ነቶም ህዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ፥ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ፥ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መፂኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ፥ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዛኡ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ጐይታ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ኣነውን ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይውን ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ልኡኻት፥ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።</verse>
				<verse number="12">ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ።</verse>
				<verse number="14">ቀሪቡውን ነቲ ቓሬዛ ነኽኦ፤ እቶም ፀወርትውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸዓ “ኣታ ጐበዝ፥ ተስእ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ምዉት ድማ ተሲኡ ኾፍ በለ፤ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ንኖኡ ሃባ።</verse>
				<verse number="16">ንዅሎም ከዓ ፍርሓት ሓዞም፤ “ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሲኡልና፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ተመልኪትዎ” እናበሉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣመስገንዎ።</verse>
				<verse number="17">ዝናኡውን ኣብ ኵላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="18">ደቀ መዛሙርቱ ድማ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ንዮሃንስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="19">ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="20">እቶም ዝለኣኾም፥ ናብ ኢየሱስ ምስ በፅሑ “ ‘እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?’ ኢሉ መጥምቕ ዮሃንስ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኢየሱስ ካብ ሕማምን ቃንዛን፥ ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ንብዙሓት ኣሕወየ፤ ንብዙሓት ዕዉራትውን ከም ዝሪኡ ገበሮም።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ከዓ “ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምውታን ይትስኡ፤ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኸሎም ኣሎሞ፥ ኬድኩም ዝረአኹምዎን ዝሰማዕኹምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።</verse>
				<verse number="23">ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆዶ?</verse>
				<verse number="25">እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ።</verse>
				<verse number="26">እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይዶ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝዓቢ እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ነቢይ፥ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግና፥ እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።”</verse>
				<verse number="29">ኵሎም ህዝብን ተቐበልቲ ቐረፅን ከዓ እዙይ ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ “መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="30">ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና፥ ብእኡ ስለ ዘይተጠመቑ ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይተቐበልዎን።</verse>
				<verse number="31">“እምበኣር ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ንመንከ ይመስል?</verse>
				<verse number="32">እቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡሞ ንስንሳቶም ተፀዋዊዖም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን፤ ዝበሃሃሉ ቘልዑ ይመስሉ።’</verse>
				<verse number="33">እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን፥ መጥምቕ ዮሃንስ እንተ መፀ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ።</verse>
				<verse number="34">ዝበልዕን ዝሰትን፥ ወዲ ሰብ እንተ መፀ ድማ ‘እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ቐረፅትን ሓጥኣንን’ ትብሉ።</verse>
				<verse number="35">ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ሓቅነታ ተረጋገፀ።”</verse>
				<verse number="36">ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን፥ ንኢየሱስ ምስኡ ኽመስሕ ጠየቖ፤ ናብ ገዛኡ ኣትዩ ድማ፥ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="37">እንሆ ኣብቲ ዓዲ፥ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት፤ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ፥ ኣብ ማእዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ፥ ጥዑም ጨና ዘለዎ፥ ብኣልባስጥሮስ ኣብ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ዝመልአ ሽቱ ኣምፅአት።</verse>
				<verse number="38">ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና፥ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት።</verse>
				<verse number="39">እቲ ዝፀውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዙይ ሪኡ፥ “እዙይ ነቢይ እንተ ዝኸውንስ፥ እዛ እትነኽኦ ዘላ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ፥ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ምዃናን ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="40">ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን፥ ዝብለካ ኣለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ “መምህር፥ ተዛረብ” በሎ።</verse>
				<verse number="41">“ንሓደ መለቅሒ፥ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።</verse>
				<verse number="42">ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?”</verse>
				<verse number="43">ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ።</verse>
				<verse number="44">ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።</verse>
				<verse number="45">ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤ እዚኣ ግና ኻብ ዝኣቱ ጀሚራ፥ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረፀትን።</verse>
				<verse number="46">ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእኻንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብሽቱ ቐብአትኒ።</verse>
				<verse number="47">ስለዙይ ብዙሕ ስለ ዝፈተወት፥ ንኣኣ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሓዲጉላ እዩ፤ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝሕደገሉ ግና፥ ቁሩብ እዩ ዘፍቅር።”</verse>
				<verse number="48">ንኣኣ ድማ፦ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="49">እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ብልቦም “እዙይ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእልስ መን እዩ?” ኢሎም ሓሰቡ።</verse>
				<verse number="50">ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸን እናብሰረን፥ በብኸተማታትን በብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱውን ምስኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ከምኡውን ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ካብ ሕማምን ዘሕወየን ኣንስቲ ነበራ፤ ንሳተንውን እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወፁላ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም፥</verse>
				<verse number="3">ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዚ ቤት ሄሮድስ፥ ሶስና፥ ብገንዘባተን ዘገልገላኦም ካልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።</verse>
				<verse number="4">ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፥ ሰባትውን ካብ ዝተፈላለያ ኸተማታት ናብኡ ምስ መፁ፥ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦</verse>
				<verse number="5">“እንሆ ዘራኢ፥ ዘርኢ ኽዘርእ ወፈረ፤ ክዘርእ እንተሎ ድማ፥ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐሞ፥ ተረገፀ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ።</verse>
				<verse number="6">ገሊኡ ኸዓ፥ ኣብ ኰዅሒ ወደቐ፤ ምስ በቘለ ድማ፥ ራሕሲ ስለ ዘይነበሮ ነቐፀ።</verse>
				<verse number="7">ገሊኡውን ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ።</verse>
				<verse number="8">ካልእ ኸዓ፥ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቘለ፤ ሚእቲ ዕፅፊ ድማ ፈረየ።” እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ደቀ መዛሙርቱ ድማ “እዝ ምስላ እዙይ እንታይ ማለት እዩ በልዎ?”</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢራት መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፥ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ኸይሪኡ፥ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉ፥ ብምስላ እዩ ዝንገሮም” በሎም።</verse>
				<verse number="11">“ናይዝ ምስላ እዙይ ትርጕም ከዓ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ፥ ምስላ ናይቶም ቃሉ ዝሰምዑ እዩ፤ ኣሚኖም ምእንቲ ኸይድሕኑ ኢሉ፥ ሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ፥ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፥ ሱር ስለ ዘይብሎም፥ ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ ኸዓ፥ እቶም ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ናይ ዓለም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ፥ ኣብ ፍረ ዘይበፅሑ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ፥ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም፥ ኣብ ቅኑዕን ፅቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን፥ ብትዕግስቲ እውን ፍረ ዘፍርዩን እዩ።</verse>
				<verse number="16">“እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንመብራህቲ ኣብሪሁ፥ ኣብ በሪኽ ዘቐምጦ እምበር፥ በቕሓ ዝኸድኖ ወይ ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዘንብሮ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር፥ ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይፍለጥን ናብ ግሉፅ ዘይወፅእን፥ ስዉር ከቶ የለንሞ።</verse>
				<verse number="18">ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ፤ ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ፥ ካብኡ ኽትውሰድ እያ።”</verse>
				<verse number="19">እኖኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መፁ፤ ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ ግና፥ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="20">“እኖኻን ኣሕዋትካን ክሪኡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ከዓ “እኖይን ኣሕዋተይንስ፥ እዞም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝገብርዎን እዮም” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="22">ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ኣትዩ “ንዑ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር” በሎምሞ ኸዱ።</verse>
				<verse number="23">ብጃልባ እናኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ደቀሰ፤ ኣብቲ ባሕሪ ድማ፥ ንፋስ ኣውሎ ተልዓለ፤ ነታ ጃልባኦምውን ማይ መልኣ፤ ንሳቶም ድማ ተጨነቑ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ መምህር፥ ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህደኣትውን ኮነ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ “እምነትኩም ደኣ ኣበየሎ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ፈርሑን ተደነቑን፤ ንስንሳቶምውን “እዝ ንባሕርን ንንፋስን ዝእዝዝ፥ ንሳቶም ድማ ዝእዘዙሉ መን እዩ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪዙይ ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ እትርከብ ጌርጌሴኖን ብጃልባ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ ካብ ጃልባ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኡ ተራኸቦ። ንሱ ኸዓ ንነዊሕ ዘመን ክዳን ዘይኽደን፥ ኣብ መቓብር እምበር፥ ኣብ ገዛ ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።</verse>
				<verse number="28">ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ወዲቑ ሰገደሉ፤ “ኦ ኢየሱስ፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ኣማሕፅነካ ኣለኹ” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ ካብቲ ሰብኣይ ክወፅእ ኣዘዞ። ብዙሕ ጊዜ ይለዓሎ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። እንተ ኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበትኮ፥ ነቲ መቝሕውን ይሰብሮ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ከዓ፥ ናብ በረኻ ክኸይድ የዳፍኦ ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ድማ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ “ለጌዎን” በለ።</verse>
				<verse number="31">ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="32">ኣብኡ ድማ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት፥ ኣብ እምባ ተዋፊሩ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ኽኣትዉ ኽፈቕደሎም ለመንዎ፤ ንሱውን ፈቐደሎም።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣጋንንቲ እውን፥ ካብቲ ሰብኣይ ወፂኦም፥ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፤ እተን ሓሰማታት ድማ በርጊገን በቲ ፀድፊ፥ ኣብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።</verse>
				<verse number="34">እቶም ጓሶት ከዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣትዮምውን ኣውረዩ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መፂኦም ከዓ፥ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="36">እቶም ዝረአይዎ ድማ እቲ ጋኔን ዝነበሮ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="37">እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ህዝቢ ብምሉኦም፥ ዓብዪ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ካብ ዓዶም ክወፅእ ንኢየሱስ ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ጃልባ ደዪቡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="38">እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ ድማ፥ ምስኡ ክኸውን ንኢየሱስ ለመኖ። ኢየሱስ ግና</verse>
				<verse number="39">“ናብ ገዛኻ ተመለስ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ዓብዪ ነገር ድማ ንገር” ኢሉ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ ኸይዱ፥ እቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበረሉ፥ ንብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።</verse>
				<verse number="40">ኢየሱስ ምስ ተመለሰ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ይፅበይዎ ነበሩ እሞ፥ ብሓጐስ ተቐበልዎ።</verse>
				<verse number="41">እንሆ ድማ ኢያኢሮስ ዝስሙ ሰብ መፀ፤ ንሱውን መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ፤ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቑ ድማ፥ ናብ ገዛኡ ኽኣቱ ለመኖ።</verse>
				<verse number="42">ንሱ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ፤ ንሳውን ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ምስኡ ክኸይድ እንተሎ እቶም ህዝቢ ይዳፋፍእዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="43">ካብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ድማ መፀት፤ ንሳ ዅሉ ገንዘባ ንሓኻይም ሂባ ወድአት፤ እንተ ኾነ ሓደ እኳ ኸሕውያ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="44">ብድሕሪ ኢየሱስ ቀሪባ፥ ዘፈር ኽዳኑ ነኽአት፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ እቲ ምፍሳስ ደማ ኣቋረፀ።</verse>
				<verse number="45">ኢየሱስ ከዓ፥ “መን እዩ ዝነኽአኒ?” በለ። ኵሎም “ኣይፈለጥናን” ምስ በሉ፥ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ “መምህር፥ እዞም ህዝቢ ናባኻ ይደፋፍኡን ይፀቓቐጡን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል?” በሎ።</verse>
				<verse number="46">ኢየሱስ ግና “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወፀ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ዝነኽአንስ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="47">እታ ሰበይቲ ድማ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረአየት፥ እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፥ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝነኽአቶ፥ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሓወየት ነገረት።</verse>
				<verse number="48">ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ ኣሕውያትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።</verse>
				<verse number="49">ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ሰብ ካብ እንዳ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፥ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ፤ ጓልካስ ክትሓዊ እያ” በሎ።</verse>
				<verse number="51">ኣብቲ ገዛ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንትርፊ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ ሓደኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን።</verse>
				<verse number="52">ኵሎም ድማ፥ ይበኽዩላን ዋይ ዋይ ይብሉላን ነበሩ፤ ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትብከዩ፤ እዛ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም።</verse>
				<verse number="53">ንሳቶም ግና ኸም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ ሰሓቕዎ።</verse>
				<verse number="54">ንሱ ኸዓ ንዅሎም ናብ ደገ ኣውፂኡ ብኢዳ ሒዙ “ኣቲ ቘልዓ፥ ተስኢ!” በላ።</verse>
				<verse number="55">ሽዑ ትንፋሳ ተመለሰት እሞ፥ ብቕፅበት ተስአት፤ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="56">እቶም ወለዳ ገረሞም፤ ንሱ ግና፥ ነቲ ዝኾነ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ብሓባር ፀዊዑ፥ ሕሙማት ንኸሕውዩ፥ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዅሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም።</verse>
				<verse number="2">መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብኩን፥ ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="3">ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ።</verse>
				<verse number="4">ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ።</verse>
				<verse number="5">እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ድማ ወፂኦም፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ንጉስ ሄሮድስ፥ ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ኵሉ ነገር ሰሚዑ ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኣቶም ሰባት “ዮሃንስ ካብ ሞት ተሲኡ” ይብሉ ነበሩ፤</verse>
				<verse number="8">ገሊኣቶም ድማ “ኤልያስ ተርእዩ” ገሊኣቶምውን “ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሲኡ እዩ” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ሄሮድስ ግና “ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ?” በለ፤ ክሪኦውን ይደሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ሃዋርያት ምስተመለሱ፥ ኵሉ ዝገበርዎ ነገርዎ፤ ንበይናቶም ድማ፥ ቤተ ሳይዳ ናብ እትበሃል ከተማ ሒዙዎም ከደ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ኽመሲ እንትብል፥ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም፥ “ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘለና እሞ፥ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቍሸታትን ከይዶም ክሓድሩ፥ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ኼድና፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ ዝብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ፥ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ኣይበዝሕን እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ሰባት ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ይኾኑ ነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “በብሓምሳ እናሰራዕኹም ኣቐምጥዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም።</verse>
				<verse number="16">ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመተ እሞ፥ ባሪኹ ቘረሰ፤ ነቶም ህዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም።</verse>
				<verse number="17">ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ንበይኑ ኽፅሊ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ግና ነዝ ነገር እዙይ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣጠንቀቖም፤ ኣዘዞምውን።</verse>
				<verse number="22">“ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽረክብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ፥ ክከሓድን ክቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ ግድን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="23">ንዅሎም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክኽተለኒ ዝደሊ ሰብ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሰኪሙውን መዓልቲ መዓልቲ ይከተለኒ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ንነፍሱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።</verse>
				<verse number="25">ሰብ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዅሉ ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?</verse>
				<verse number="26">ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።</verse>
				<verse number="27">ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="28">ድሕሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ተማሊኡ፥ ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ።</verse>
				<verse number="29">ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ።</verse>
				<verse number="30">እንሆ ኸዓ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="31">እዞም ብኽብሪ ዝተገለፁ እዚኣቶም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍፀም ዘለዎ ሞቱ፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="32">ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ፥ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ዝብሎውን ኣይፈልጥን ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ደመና መፂኡ ኸወሎም፤ ናብቲ ደመና ምስ ኣተዉ ድማ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="35">ካብቲ ደመናውን፥ “እቲ ዝሓረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ መፀ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ድምፂ ምስ ተሰምዐ፥ ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ሽዑ ዝረአይዎ ነገር፥ ንሓደኳ እንተይነገሩ ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ካብቲ እምባ ምስ ወረደ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ።</verse>
				<verse number="38">እንሆ ኸዓ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፥ “ኦ መምህር! ውላደይ ሓደ ንሱ እዩ፤ ነዝ ወደይ ክትሪአለይ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="39">እንሆ ርኹስ መንፈስ ብድንገት ይሕዞሞ የእውዮ፤ የውድቖ፤ ፈርፈር የብሎ፤ የዕፍሮ፤ ኣንቀጥቂጡ ድማ ብጭንቂ ይሓድጎ።</verse>
				<verse number="40">ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነዮምስ፥ ከውፅእዎ ኣይከኣሉን።”</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ከዓ “ኣታ እምነት ዝጐደሎ ቐይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ኽሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? በል ንወድኻ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="42">እቲ ወዲ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረበ፥ እቲ ጋኔን ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣቢሉ ኣንገርገሮ፤ ኢየሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሰፆ። ነቲ ቘልዓውን ኣሕውዩ ነቦኡ ሃቦ።</verse>
				<verse number="43">ዅሎም ከዓ ብዕብየት ሓይሊ እግዚኣብሄር ተገረሙ። ኵላቶም በቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበሮ እናተደነቑ እንተለዉ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ፦</verse>
				<verse number="44">“ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="45">ንሳቶም ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣየስተውዓልዎን። ካብኣቶም ተሰዊሩ ስለ ዝነበረውን ኣይተረድኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="46">ካብ መንጎኦም መን ከም ዝዓቢ፥ ኣብ ማእኸሎም ክትዕ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="47">ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፥ ንሓደ ህፃን ወሲዱ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ።</verse>
				<verse number="48">“ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="49">ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ከዓ “እንተ ደኣ ዘይቃወመኩም ኮይኑ፥ ወገንኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="51">ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ።</verse>
				<verse number="52">ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="53">እቶም ህዝቢ ግና፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን።</verse>
				<verse number="54">ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="55">ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ “ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="56">ወዲ ሰብ ህይወት ሰብ ከድሕን እምበር፥ ከጥፍእ ኣይመፀን” ኢሉ ገሰፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ።</verse>
				<verse number="57">ኣብ መንገዲ እናኸዱ እንተለዉ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፥ ናብ ዝኸድካዮ ክኽተለካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="58">ኢየሱስ ከዓ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን ሰፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና፥ ርእሱ ዘፀግዐሉ ስፍራ የብሉን” በሎ።</verse>
				<verse number="59">ንሓደ ኻልእ ከዓ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ድማ፥ “ኦ ጐይታ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="60">ኢየሱስ ድማ “ምውታን፥ ንምውታኖም ይቕበሩ ሕደጎም፤ ንስኻ ግና ኺድ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኣብስር” በሎ።</verse>
				<verse number="61">ካልእ ሓደ ሰብ ድማ “ኦ ጐይታ! ክኽተለካ እየ፤ ግና ቕድም ንስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="62">ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="2">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ።</verse>
				<verse number="3">ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ ሰላም ይኹን’ በሉ።</verse>
				<verse number="6">ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑ።</verse>
				<verse number="9">ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።</verse>
				<verse number="10">ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥</verse>
				<verse number="11">‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።</verse>
				<verse number="12">ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንሰዶም ከም ዝቐለላ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን።</verse>
				<verse number="14">ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”</verse>
				<verse number="17">እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ “ጐይታ! ኣጋንንቲ እኳ፥ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="18">ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።</verse>
				<verse number="19">እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።</verse>
				<verse number="20">ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="22">ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።”</verse>
				<verse number="23">ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ኸዓ፥ ንበይናቶም፦ “ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ዝሪኣ ኣዒንቲ ብፁኣት እየን።</verse>
				<verse number="24">ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም ክሪኡ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን፥ ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑን እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሲኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስስ፥ እንታይ ክገብር?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኸዓ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ?” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ፥ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ፥ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ።</verse>
				<verse number="31">ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="32">ከምኡውን ሓደ ሌዋዊ፥ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በፅሐ፥ ሪእዎ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።</verse>
				<verse number="33">ሓደ ሓላፊ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ።</verse>
				<verse number="34">ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን፥ ኣብ ቍስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።</verse>
				<verse number="35">ንፅባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ፥ ነቲ ሓላዊ መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ‘በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ፥ ካብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዅሉ፥ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።</verse>
				<verse number="36">ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ፥ ካብ ሰለስቲኦም ብፃይ ዝኾኖ፥ መን ይመስለካ?”</verse>
				<verse number="37">ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣ ተቐበለቶ።</verse>
				<verse number="39">ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት።</verse>
				<verse number="40">ማርታ ግና ብዙሕ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ፥ “ኦ ጐይታ! ሓፍተይ ሓዲጋትኒ በይነይ እናሰራሕኹስ፥ ኣየሕዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒ እንዶ ንገራ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ?</verse>
				<verse number="42">እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።</verse>
				<verse number="4">ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ‘ኣይተሸግረኒ፤ ሕዚ ማዕፆ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይክእልን’ ዘይብሎ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ?</verse>
				<verse number="12">ወይ እንቍላሊሕ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት ዝህቦ?</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ንበሃም ጋኔን የውፅእ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፥ እቲ በሃም ዝነበረ ሰብ ተዛረበ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="15">ካብኣቶም ድማ “ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።</verse>
				<verse number="16">ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ፥ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤትውን ትወድቕ።</verse>
				<verse number="18">ንኣይ ‘ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ’ እትብሉንስ፥ መንግስቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ፥ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም?</verse>
				<verse number="19">ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ ደኣ፥ ደቅኹም ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ሓያል ሰብ፥ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ቤቱ እንተ ሓለወ፥ ኵሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር።</verse>
				<verse number="22">ካብኡ ዝሕይል መፂኡ እንተ ሰዓሮ ግና፥ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣፅዋሩ ይምንዝዖ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል።</verse>
				<verse number="23">እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።</verse>
				<verse number="24">“ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ፥ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣፃምእ ቦታ ይኸይድ እሞ፥ እንተ ዘይረኸበ፥ ‘ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል።</verse>
				<verse number="25">ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ።</verse>
				<verse number="26">ብድሕሪዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ እውን፥ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ፥ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን።”</verse>
				<verse number="27">ኢየሱስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ካብቶም ህዝቢ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ድምፃ ዓው ኣቢላ፥ “ዝፆረትካ ማህፀንን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁኣት እየን” በለቶ።</verse>
				<verse number="28">ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።</verse>
				<verse number="29">ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም እንተለዉ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እዝ ትውልዲ እዙይ፥ ክፉእ ትውልዲ እዩ፤ ምልክትውን ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ድማ፥ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ።</verse>
				<verse number="30">ከምቲ ዮናስ፥ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ምልክት ክኾኖ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ንግስተ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ምስ ሰባት እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ፥ ክትኵንኖም እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="32">ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="33">“ንመብራህቲ ኣብሪሁ፥ እቶም ዝኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ እምበር፥ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር፥ ዘንብሮ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="34">ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን።</verse>
				<verse number="35">እምበኣርከስ፥ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="36">ኵሉ ሰብነትካ ፈፂሙ ፀልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ፥ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ፥ ኵሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።”</verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽመስሕ ፀውዖ፤ ኣትዩ ኸዓ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="38">እቲ ፈሪሳዊ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ፥ ኢዱ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ።</verse>
				<verse number="39">ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ፥ “እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንዋንጫን ፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ ተፅርዩ፤ ውሽጥኹም ግና፥ ከትርን ክፍኣትን ዝመልአ እዩ።</verse>
				<verse number="40">ኣቱም ግብዛት፥ እቲ ላዕሊ ላዕሉ ዝፈጠረ፥ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ?</verse>
				<verse number="41">ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="42">“ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ፥ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ግና፥ ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይሓደግኩምስ፥ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ።</verse>
				<verse number="43">ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ ዕዳጋውን ኢድ ክነስኡልኩም ትደልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="44">ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="46">ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፥ “ንስኻትኩም ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ እውን፥ ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ፥ ንባዕልኻትኩም ግና፥ ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ ኣይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="47">ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሃንፁ ኢኹም እሞ ወይለኹም!</verse>
				<verse number="48">ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም።</verse>
				<verse number="49">ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’</verse>
				<verse number="50">እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="51"></verse>
				<verse number="52">ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!”</verse>
				<verse number="53">ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብፅኑዕ ክቃወምዎን፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ።</verse>
				<verse number="54">ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፥ ካብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይፀናፀንዎ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።</verse>
				<verse number="2">ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።</verse>
				<verse number="4">“ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ሓሙሽተ ኣዕዋፍ፥ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይትርሳዕን እያ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="8">“ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።</verse>
				<verse number="12">“በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="13">ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ “ገራሁኡ ብዙሕ ዝፈረየሉ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤</verse>
				<verse number="17">‘እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?’ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="18">ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘እቲ ናይ ቅድም፥ ማዕኸነይ ኣፍሪሰ፥ ኣግፊሐ ኽሰርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ።</verse>
				<verse number="19">ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23"></verse>
				<verse number="24">እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓፅዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ፥ እምብዛ ኣይትበልፁን!</verse>
				<verse number="25">ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="26">እዝ ቀሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ደኣ፥ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ?</verse>
				<verse number="27">ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኣይተኸደነን።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም?</verse>
				<verse number="29">ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን።</verse>
				<verse number="30">ነዝ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና፥ እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ንስኻትኩምስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="32">“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።</verse>
				<verse number="33">ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።</verse>
				<verse number="34">ሃብትኻትኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ።</verse>
				<verse number="35">“ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን።</verse>
				<verse number="36">ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ።</verse>
				<verse number="37">እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ መፂኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም።</verse>
				<verse number="39">ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።</verse>
				<verse number="40">ንስኻትኩምውን፥ ወዲ ሰብ፥ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”</verse>
				<verse number="41">ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ! እዝ ምስላ እዙይስ፥ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘለኻ ወይ ከዓ ንዅሉ ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="42">ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?</verse>
				<verse number="43">እቲ ጐይታኡ ኽምለስ እንተሎ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="44">ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="45">እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥</verse>
				<verse number="46">ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ፥ ንሱ ብዘይተፀበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን፥ መፂኡ ኽቐፅዖ፥ ዕድሉ ኸዓ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="47">እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ።</verse>
				<verse number="48">እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ።</verse>
				<verse number="49">“ሓዊ ኸምፅእ እየ ናብ ምድሪ ዝመፃእኹ፤ ሕዝኸ ዝነደደ ኻብ ኮነ፥ እንታይ እደሊ?</verse>
				<verse number="50">ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ?</verse>
				<verse number="51">ናብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር።</verse>
				<verse number="52">ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ሃለዉ፥ ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ኽልተ፥ ክልተ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።</verse>
				<verse number="53">ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ፥ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ፥ እኖ ኣብ ልዕሊ ጓላ፥ ጓልውን ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ ሓማት ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ሓማታ፥ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።”</verse>
				<verse number="54">ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፦ “ደመና ብወገን ምዕራብ፥ ድብንብን እንትብል ምስ ረአኹም፥ ሽዑ ዝናም ክዘንም እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።</verse>
				<verse number="55">ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።</verse>
				<verse number="56">ኣቱም ግብዛት፥ ምምርማር ገፅ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ፥ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ?</verse>
				<verse number="57">“ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ?</verse>
				<verse number="58">መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር።</verse>
				<verse number="59">እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="3">ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="5">ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ነዝ ምስላዙይ ድማ ነገሮም፦ “ሓደ ሰብኣይ፥ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፤ ግና ኣይረኸበላን።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ።</verse>
				<verse number="9">ንዓመታ እንተ ፈረየት ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ሽዑ ኽትቈርፃ ኢኻ’ ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ብሰንበት፥ ኣብ ሓንቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኮይኑ እናመሃሮም እንተሎ፥</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።</verse>
				<verse number="13">ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።</verse>
				<verse number="14">እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="15">ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ?</verse>
				<verse number="16">እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ?</verse>
				<verse number="19">ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።”</verse>
				<verse number="20">መሊሱ ድማ፥ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ እየ ዝምስላ?</verse>
				<verse number="21">ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰቶ፥ ማይ ብሒቝ እያ እትመስል” በለ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ሓደ ሰብኣይ ከዓ፥ “ኦ ጐይታ! እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም?” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ።</verse>
				<verse number="28">ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="29">ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም።</verse>
				<verse number="30">እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="31">በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">ንሱ ግና፥ “ኬድኩም ነዛ ውኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ ኣውፅእ፤ ሕሙማት ኣሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍፅም እየ’ በልዋ፤</verse>
				<verse number="33">ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ ነቢይ ኣብ ኢየሩሳሌም እምበር፥ ኣብ ወፃኢ ኽመውት ኣይግባእን እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="34">“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።</verse>
				<verse number="35">እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ኣይትሪኡንን ኢኹም” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብሰንበት፥ ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ናብ ዝኾነ ሰብ፥ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ፥ ፈሪሳውያን ይፀናፀንዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="5">መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="6">ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ንምሳሕ ዝተዓደሙ ድማ፥ ዝለዓለ መቐመጢ እንትመርፁ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ነገሮም።</verse>
				<verse number="8">“ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ፥</verse>
				<verse number="9">እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ።</verse>
				<verse number="10">ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝፀውዖ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ፥ መሊሶም ከይፅውዑኻ እሞ፥ ልቓሕ ምምላስ ከይኾነካ፥ ኣዕርኽትኻ ወይ ኣሕዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትፀውዕ።</verse>
				<verse number="13">ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ።</verse>
				<verse number="14">ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="15">ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ “ኣብ መንግስተ ሰማያት፥ እንጀራ ዝበልዕ ብፁእ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙሓትውን ዓደመ።</verse>
				<verse number="17">ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ፥ ነቶም ዕዱማት፥ ‘ኵሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ።</verse>
				<verse number="18">ኵሎም ከዓ ሓቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ፥ ናብኣ ወፊረ ኽሪኣ ግድን ስለ ዘድለየኒ፥ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ሓሙሽተ ፅምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ፥ በይዛኻ ይቕረታ ክትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ሳልሳይ ከዓ ‘ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ፥ ክመፅእ ኣይክእልን እየ’ በሎ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ሓሽከር ተመሊሱ፥ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቘጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ‘ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተሓላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን፥ ናብዙይ ኣምፅእ’ በሎ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም።</verse>
				<verse number="24">ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት፥ ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።’ ”</verse>
				<verse number="25">ብዙሓት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ምልስ ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦</verse>
				<verse number="26">“ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="27">መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ?</verse>
				<verse number="29">እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ።</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ወይ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ፥ ነቲ ብዕስራ ሽሕ ዝመፆ፥ ብዓሰርተ ሽሕ ክዋግኦ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉስ እዩ?</verse>
				<verse number="32">እንተ ዘይኮነ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ፥ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ።</verse>
				<verse number="33">ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="34">ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ?</verse>
				<verse number="35">ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">እንሆ፥ ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።</verse>
				<verse number="2">ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦</verse>
				<verse number="4">“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?</verse>
				<verse number="5">ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።</verse>
				<verse number="6">ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።</verse>
				<verse number="7">ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">“ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ?</verse>
				<verse number="9">ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ገንዘቡ ምስ ወድአ፥ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተፀገመ።</verse>
				<verse number="15">ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር፥ ኣብ ሓደ ተቘፀረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="16">ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተ ኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’</verse>
				<verse number="18">ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ።</verse>
				<verse number="19">‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ።</verse>
				<verse number="20">ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ወዱ ድማ፥ ‘ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን’ በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤</verse>
				<verse number="23">ስቡሕ ዝራብዕ ኣምፂእኹም ሕረዱሞ፥ ንብላዕ፤ ንተሓጐስ፤</verse>
				<verse number="24">እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="25">“እቲ ዓብዪ ወዱ ግና፥ ኣብ ወፍሪ ነበረሞ፥ መፂኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ፥ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ።</verse>
				<verse number="26">ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ፀዊዑ ‘እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?’ ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኸዓ፥ ‘እቲ ሓውካ ስለ ዝመፀ እሞ፥ ኣቦኻ ብዳሕንኡ ስለ ዝረኸቦ፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ’ በሎ።</verse>
				<verse number="28">ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ግና ነቦኡ፦ ‘እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ፤ ካብ ትእዛዝካውን ፈፂመ ኣይሓለፍኩን፤ እንተ ኾነ ንኣይ ምስ ኣዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ፥ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን።</verse>
				<verse number="30">እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ ወድኻ ምስ መፀ ግና፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪድካሉ’ በሎ።</verse>
				<verse number="31">ኣቦኡ ኸዓ፥ ‘ወደይ፥ ንስኻስ ኵልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዅሉ ድማ፥ ናትካ እዩ።</verse>
				<verse number="32">እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ኢየሱስ መሊሱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መጋቢ ዝነበሮ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ፥ ‘ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ፥ ኣይክእልን፤ ከይልምን ድማ፥ ኣሓፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ?</verse>
				<verse number="4">ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ።</verse>
				<verse number="5">ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ‘ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?’ በሎ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ ‘ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፤ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ፥ ሓምሳ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ኻልኣይ ድማ ‘ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ?’ በሎ፤ ንሱውን ‘ሚእቲ ፅዕነት ስርናይ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ፥ ሰማንያ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="9">“ኣነ ኸዓ፥ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም፥ ኣብ ናይ ዘለኣለም ገዛውቲ ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ፥ ብገንዘብ ዓመፃ፥ ንባዕልትኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?</verse>
				<verse number="12">ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም?</verse>
				<verse number="13">“ሓደ መገልገሊ፥ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ፤ ነቲ ሓደ ይፀልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን፥ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”</verse>
				<verse number="14">እቶም ፈሪሳውያን ድማ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም ነዝ ዅሉ ሰሚዖም ሓጨጩሉ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ንርእስኹም ተመፃድቑ ኣለኹም፤ ንልብኹም ግና እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="16">“ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ትብሰር ኣላ፤ ኵሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንፃፅ ካብ እትወድቕስ፥ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።</verse>
				<verse number="18">እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ፥ ካልአይቲ ዘእቱ ዅሉ ይዝሙ፤ እቲ ኻብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱውን ይዝሙ።”</verse>
				<verse number="19">ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርቢዩ ዝነብር፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ማእዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክፀግብ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ ኣኽላባት እናመፁ ድማ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="22">ብድሕሪዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ሲኦል፥ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፥ ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ፥ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም ረአዮ፤ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ።</verse>
				<verse number="24">ፀዊዑ ኸዓ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ በዝ ነበልባል እዙይ፥ እሳቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ መልሓሰይ ከዝሕለለይውን፥ ንኣልኣዛር ስደደለይ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="26">ምስ እዝ ዅሉ ድማ፥ ካብዙይ ናባኻትኩም ከይሓልፉ፥ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፥ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን፥ ዓብዪ ፀድፊ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ድማ “ኦ ኣቦይ፥ እምበኣርከስ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመፁ ኸጠንቅቖም፥ ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ፥ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="28"></verse>
				<verse number="29">ኣብርሃም ድማ “ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለዉዎም፤ ንኣኣቶም ይስምዑ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታን ተሲኡ፥ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተ ነጊርዎም ክንስሁ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="31">ንሱ ድማ “ንሙሴን ንነቢያትን ዘይሰምዑ እንተ ኾይኖም፥ ካብ ምዉታን ሓደ እንተ ተስአውን፥ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ!</verse>
				<verse number="2">ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ።</verse>
				<verse number="3">ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ሓውካ እንተ በደለካ ገስፆ፤ እንተ ተናስሐ ሕደገሉ፤</verse>
				<verse number="4">ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”</verse>
				<verse number="5">ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ እትህልወኩምስ፥ ነዝ ሳግላዙይ ካብ ሱርካ ተበቊስካ፥ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተ እትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">“ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይ ዝጓሲ ሓሽከር ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ሽዑ ንሽዑ ‘ክትድረር ተቐመጥ’ ዝብሎ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">‘ድራር ኣዳልወለይ፤ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከዓ፥ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፤ ድሕሪኡ ንስኻውን ብላዕ፥ ስተ እንዶ ኣይኮነን’ ዝብሎ?</verse>
				<verse number="9">ወይ ከዓ እቲ ሓሽከር እቱይ፥ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="10">ከምኡ ድማ፥ ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።”</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ርሒቖም ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምፃማት ተራኸብዎ።</verse>
				<verse number="13">ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን “ኦ ኢየሱስ፥ ኦ መምህር፥ ራህርሀልና!” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም፥ “ኪዱ፥ ንባዕልትኹም ንኻህን ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ።</verse>
				<verse number="15">ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="16">እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ከዓ፦ “ዝነፅሁ ዓሰርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?</verse>
				<verse number="18">እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን?” በለ።</verse>
				<verse number="19">ብድሕሪዙይ “ተስእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ ኣላ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ፈሪሳውያን፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ እያ እትመፅእ?” ኢሎም ጠየቕዎ እሞ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብምፅብባይ ኣይትመፅእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያውን ኣይብልዋን። መንግስቲ እግዚኣብሄርስ፥ ኣብ ማእኸልኩም እኒሃ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ኽትሪኡ እትምነዩለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ግና ኣይትሪኡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ‘ወይ ኣብቱይ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትከተልዎምውን።</verse>
				<verse number="24">መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ፥ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመፀሉ መዓልቲ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣቐዲሙ ግና ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ በዝ ትውልዲ እዙይውን ክነዓቕ ግድን እዩ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="27">ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="28">ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይዕድጉን፥ ይተኽሉን ይሃንፁን ነበሩ።</verse>
				<verse number="29">በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።</verse>
				<verse number="30">በታ ወዲ ሰብ ዝግለፀላ መዓልቲ ድማ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="31">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ ናሕሲ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ገዛኡ ዘሎ ኣቕሓ ኽወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን፥ ንድሕሪት ኣይመለስ።</verse>
				<verse number="32">ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ፥ ከድሕና እዩ።</verse>
				<verse number="34">በታ ለይቲ እቲኣ፥ ክልተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ክልተ ኣንስቲ ብሓባር ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ኻልአይቲ ግና፥ ክትሕደግ እያ።</verse>
				<verse number="36">ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክሰርሑ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="37">መሊሶም “ኦ ጐይታ፥ ኣበይከ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ኽእከቡ እዮም” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦</verse>
				<verse number="2">“ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሕ፥ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር፥ ሓደ ፈራዲ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ኣበያ። ብድሕሪኡ ግና ብልቡ ‘ንእግዚኣብሄር እኳ እንተ ዘይፈራሕኹ፥ ንሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፥</verse>
				<verse number="5">እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።”</verse>
				<verse number="6">ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="8">ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?”</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ነቶም ፃድቃን ከም ዝኾኑ፥ ብባዕልቶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና፥ ዝንዕቑ ዝነበሩ፥ ከምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦</verse>
				<verse number="10">“ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ንህፃናት ኢዱ ኸንብረሎም፥ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ እዙይ ሪኦም ነቶም ሰባት ገሰፅዎም።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ህፃናት ናባይ ክመፁ ኣይትኸልክልዎም።</verse>
				<verse number="17">ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኦ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፥ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ከዓ፥ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይ የለን።</verse>
				<verse number="20">ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ኸዓ “ነዙይ ኵሉስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ሓዘነ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ ብዙሕ ምሕዛኑ ሪኡ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ሃብታም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በለ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ዝሰምዑ ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” በሉ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ጴጥሮስ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና፥ ተኸቲልናካ ኣለና” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ኸዓ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኢሉ፥ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ወለዲ፥ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፥</verse>
				<verse number="30">ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="32">ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥</verse>
				<verse number="33">ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ግና፥ ካብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሰዊርዎም ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="35">ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።</verse>
				<verse number="36">ህዝቢ ብእኡ ኽሓልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ፥ “እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።</verse>
				<verse number="37">ንሳቶም ከዓ “እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ንሱ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።</verse>
				<verse number="39">እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።</verse>
				<verse number="40">ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ፥ ናብኡ ኸምፅእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="41">እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ።</verse>
				<verse number="42">ኢየሱስ ድማ “ረአ፥ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ” በሎ።</verse>
				<verse number="43">ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይሓልፍ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ፥ ክሪኦ ይደሊ ነበረ። ቁመቱ ሓፂር ስለ ዝነበረ ግና፥ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ ዝተልዓለ፥ ክሪኦ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="4">በታ መንገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሪኦ ንቕድሚት ጐይዩ፥ ናብ ሳግላ ደየበ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ቅንዕ ኢሉ ጠሚቱ፥ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ቐልጢፉ ወረደ፤ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ።</verse>
				<verse number="7">እዙይ ምስ ረአዩ ድማ “ኣብ እንዳ ሓጢኣተኛ ሰብ ክውዕል ኣትዩ” ኢሎም፥ ኵላቶም ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="8">ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።</verse>
				<verse number="10">ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="12">ከምዙይ ድማ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።</verse>
				<verse number="13">ንዓሰርተ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ ‘ክሳዕ ዝመፅእ በዙይ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሰርተ ምናን ሃቦም።</verse>
				<verse number="14">ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።</verse>
				<verse number="15">መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ክንደይ ዝኣክል ነጊዶም ከም ዘትረፉ ኽፈልጥ ደልዩ፥ ነቶም ምናን ዝሃቦም ክፅውዑሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ቐዳማይ መፂኡ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ዓሰርተ ትርፊ ረኺበላ’ በሎ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሰርተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።</verse>
				<verse number="18">“እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ሓሙሽተ ትርፊ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ።</verse>
				<verse number="19">ነዙይ ድማ ‘ንኣኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ሳልሳይ ድማ ‘ኦ ጐይታ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፥ ፈሪሐ፥ እዛ ኣብ ቍራፅ ዓለባ ቛፂረ ዘፅናሕክዋ ምናን እኒሃትልካ’ እናበለ ቐረበ።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ</verse>
				<verse number="23">ስለ ምንታይ ነቲ ገንዘበይ፥ ኣብ ባንኪ ዘየእተኻዮ? ኣነ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ።</verse>
				<verse number="24">ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዓ ‘እታ ምናን ኣሕድግዎ እሞ፥ ነቲ ዓሰርተ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።</verse>
				<verse number="25">ንሳቶም ከዓ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ ንሱስ ዓሰርተ ምናን ኣለዎ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ድማ ‘ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ ኸሕድግዎ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ቀቅድሚኣቶም ከደ።</verse>
				<verse number="29">ጥቓ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ናብ ዝርከባ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፥ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦</verse>
				<verse number="30">“ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅእዎ።</verse>
				<verse number="31">ዝኾነ ሰብ፥ ‘ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም ከዓ፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በልዎ።”</verse>
				<verse number="32">እቶም ዝተልኣኹ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ነቲ ገልገል ኣድጊ ኽፈትሕዎ እንተለዉ፥ ዋናታቱ “ነዝ ገልገል ኣድጊ ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ድማ “ጐይታ ይደልዮ ኣሎ” በልዎም።</verse>
				<verse number="35">ናብ ኢየሱስውን ኣምፅእዎ። ልዕሊ እቲ ገልገል ኣድጊ፥ ክዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸዓ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣቐመጥዎ።</verse>
				<verse number="36">ንሱ ክኸይድ እንተሎ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ።</verse>
				<verse number="37">ናብ ቝልቍል ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ፥ ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዝኽተልዎ ዝነበሩ፥ በቲ ዅሉ ዝረአይዎ ሓይልታት ክሕጐሱን፥ ንእግዚኣብሄር ብዓብዪ ድምፂ ኸመስግንዎን ጀመሩ።</verse>
				<verse number="38">“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ንጉስ ቡሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም!” እውን ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="39">ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ግና “መምህር፥ ንደቀ መዛሙርትኻ ገስፆም” በልዎ።</verse>
				<verse number="40">ንሱ ድማ “እዚኣቶም ስቕ እንተ በሉ እኳ፥ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ድምፂ ኸስምዑ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፤ ምስ ረአያ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢሉ በኸየላ፦</verse>
				<verse number="42">“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="43">ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="44">ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።”</verse>
				<verse number="45">ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ፥</verse>
				<verse number="46">“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ክበሃል እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዎ” እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ።</verse>
				<verse number="47">ዕለት ዕለትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራንን ዓበይቲ ህዝብን ግና፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="48">ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና፥ ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ፥ ዝገብርዎ ሰኣኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥</verse>
				<verse number="2">“በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ።</verse>
				<verse number="4">ጥምቀት ዮሃንስ፥ ካብ ሰማይ ዲዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ከዓ “ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ።</verse>
				<verse number="6">‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ።</verse>
				<verse number="7">ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="11">ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="12">መሊሱ ኸዓ ሳልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ በለ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ፥ ንዑ ንቕተሎ’ ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="15">ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ እንታይ ኮን ክገብሮም እዩ?</verse>
				<verse number="16">መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ?</verse>
				<verse number="18">ኵሉ ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ኽስበር፥ እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ፥ ክጭፍለቕ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ፥ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ህዝቢ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="20">ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="22">ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ፥ “ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="24">እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።</verse>
				<verse number="27">ካብቶም ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኣቶም ናብኡ መፂኦም፥</verse>
				<verse number="28">“ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ።</verse>
				<verse number="29">እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነይሮም፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፥ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ሳልሳይ ድማ ኣእተዋ፥ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፥ ውሉድ እንተይሓደጉ ሞቱ።</verse>
				<verse number="32">ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።</verse>
				<verse number="33">እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ እታ ሰበይቲ እቲኣ፥ ብትንሳኤ ሙታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም ክትከውን እያ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ከዓ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም።</verse>
				<verse number="35">እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።</verse>
				<verse number="36">ከም መላእኽቲ ክኾኑ እዮምሞ፥ ድሕሪኡ ኣይሞቱን፤ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም።</verse>
				<verse number="37">ምውታን ከም ዝትስኡ ግና፥ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ብምባሉ ኣፍለጠ።</verse>
				<verse number="38">እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ህያዋን እምበር፥ ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ገሊኣቶም መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="40">ካብኡ ንደሓር ግና፥ ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን።</verse>
				<verse number="41">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ከመይ እዩ ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?</verse>
				<verse number="42">ዳዊት ባዕሉ፥ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል።</verse>
				<verse number="43"></verse>
				<verse number="44">እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?”</verse>
				<verse number="45">ኢየሱስ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦</verse>
				<verse number="46">“ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ኻብ ዝደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነስአሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣውራ መቐመጢ፥ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ስፍራ ዝፈትዉ፥</verse>
				<verse number="47">ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ፦ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት፥ መባእ እንተእትዉ ረአየ።</verse>
				<verse number="2">ሓንቲ ድኻ መበለትውን፥ ኣብኡ ኽልተ ሳንቲም ክተእቱ እንተላ ረአየ።</verse>
				<verse number="3">“እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፥ ካብ ኵላቶም ኣብዚሓ ኸም ዝሃበት፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">እዚኣቶም ኵላቶምስ፥ ካብ ተረፎም እዮም መባእ ዝሃቡ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ ኵላ እታ ዘለታ እያ ዝሃበት” በለ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገሊኣቶም፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፥ ብፅቡቕ ኣእማንን፥ ንመባእ ብዝተውሃበ ሽልማትን፥ ኣጊፁ ኸም ዘሎ ኽዛረቡ እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ፥ “እዝ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልቲታት ክመፃ እየን” በለ።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም ከዓ፥ “ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ ጊዜኸ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም።</verse>
				<verse number="9">ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።”</verse>
				<verse number="10">ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።</verse>
				<verse number="13">እዙይ ንምስክርነት ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ፥ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ኸም ዘይብልኩም፥ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።</verse>
				<verse number="16">ወለድኹም፥ ኣሕዋትኩም፥ ኣዝማድኩም፥ ኣዕርኽትኹም፥ እንተይተረፉ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ግና ኻብ ርእስኹም፥ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ።</verse>
				<verse number="19">ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።</verse>
				<verse number="20">“ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባ ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉውን፥ ካብኣ ይውፅኡ፤ እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ድማ፥ ናብኣ ኣይእተዉ።</verse>
				<verse number="22">እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።</verse>
				<verse number="23">በተን መዓልቲታት እቲኣተን ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ መዓት ክወርድ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24">ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።</verse>
				<verse number="25">“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።</verse>
				<verse number="26">በቲ ጊዜ እቱይ ሓይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ብምፅባይን ብፍርሓትን ድማ፥ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።</verse>
				<verse number="28">እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”</verse>
				<verse number="29">ብምስላ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንኦም በለስን፥ ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፤</verse>
				<verse number="30">ክጥጥዑ እንተለዉ ምስ ረአኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="31">ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትሪኡ እንተለኹም፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝቐረበት ፍለጡ።</verse>
				<verse number="32">እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።</verse>
				<verse number="34">“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!</verse>
				<verse number="35">እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዝነብሩ፥ ከም መፈንጠር ክትበፅሖም እያ እሞ።</verse>
				<verse number="36">እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”</verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ደብረ ዘይት ኣብ ዝበሃል እምባ ደዪቡ ይሓድር ነበረ።</verse>
				<verse number="38">ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኽሰምዕ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይግስግስ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ፋሲካ ዝበሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።</verse>
				<verse number="2">ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ሓደረ። ንሱ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ።</verse>
				<verse number="6">ይሁዳ ድማ ተሰማምዖም፤ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኸትሕዞውን፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">እታ በጊዕ ፋሲካ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በፅሐት።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ፥ ኬድኩም ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ከዓ “ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ድማ “እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ዕትሮ ማይ ዝፆረ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ሰዓብዎ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ በዓል ገዛ ኸዓ ‘መምህር እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ፥ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ።</verse>
				<verse number="12">ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ደብሪ ዝተነፀፈ፥ ገፊሕ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ እሞ፥ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ከይዶም ድማ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ በጊዕ ፋሲካውን ኣዳለዉ።</verse>
				<verse number="14">እታ ሰዓት ምስ በፅሐት፥ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ቅድሚ መከራይ፥ ምሳኻትኩም በጊዕ ፋሲካ ኽበልዕ፥ ብዙሕ ሃረር ኢለ ነይረ።</verse>
				<verse number="16">እዙይ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ደጊም ካብዙይ ከም ዘይበልዕ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="17">ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፦ “እንኩ፥ እዙይ ንዅልኻትኩም ተኻፈልዎ።</verse>
				<verse number="18">መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመፅእ፥ ካብ ፍረ ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="19">ሕብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም።</verse>
				<verse number="20">ከምኡውን ድሕሪ ድራር፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ፥ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር፥ ሓድሽ ኪዳን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ግና ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ ማእዲ ምሳይ እኒሃ።</verse>
				<verse number="22">ወዲ ሰብስ ከምቲ ዝተፅሓፈሉ ክኸይድ እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ!” በለ።</verse>
				<verse number="23">ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ከም ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ተጠያየቑ።</verse>
				<verse number="24">ብድሕሪኡ እቶም ደቀ መዛሙርት “ካብ መንጎኣቶም መን ከም ዝዓቢ” ንስንሳቶም ተኸራኸሩ።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ኢየሱስ፦ “ንኣህዛብ ነገስታቶም ይገዝእዎም፤ እቶም ስልጣን ዘለዎም ከዓ፥ ገበርቲ ሰናይ ይበሃሉ።</verse>
				<verse number="26">ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኹን፤ ኣባኻትኩምስ፥ እቲ ዓብዪ ኸም ንእሽተይ፥ እቲ ሓለቓ ኸም ኣገልጋሊ ይኹን።</verse>
				<verse number="27">ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን፥ ካብቲ ዘገልግልን ኣየናይ ይዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም፥ ከም ኣገልጋሊ እየ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻትኩም ብመከራይ ምሳይ ዝተዓገስኩም ኢኹም እሞ፥</verse>
				<verse number="29">ኣብታ መንግስተይ፥ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፥ ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ፥ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ኣነ መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="30"></verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ።</verse>
				<verse number="32">ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="33">ስምኦን ግና “ኦ ጐይታ! ኣነስ ንማእሰርቲ ኾነ ንሞት፥ ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ንሱ ግና “ጴጥሮስ፥ ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ኸም ዘይትፈልጠኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ።</verse>
				<verse number="36">“ሕዚ ግና ሳንጣ ዘለዎ ይማላእ፤ ከምኡውን ስንቂ፤ እቲ ዘይብሉውን ክዳኑ ሸይጡ፥ ሰይፊ ይዓድግ።</verse>
				<verse number="37">እብለኩም ኣለኹ፥ ‘ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ፥ ኣባይ ክፍፀም ግድን እዩ። እወ እቲ ዅሉ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ሕዚ ይፍፀም ኣሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="38">ንሳቶም ከዓ፥ “ጐይታ፥ እንሆ፥ ኣብዙይ ክልተ ኣስይፍቲ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “ይኣክል” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ኢየሱስ ወፂኡ ኸምቲ ልማዱ ኽፅሊ፥ ናብ ደብረ ዘይት ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="40">ኣብታ ስፍራ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ፀልዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="41">ንሱ ድማ ኻብኣቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ፥ ተንበርኪኹ</verse>
				<verse number="42">“ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓድካ ደኣ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይኹን” እናበለ ፀለየ።</verse>
				<verse number="43">ዘበረታትዖ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ሰማይ ተርኣዮ።</verse>
				<verse number="44">የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።</verse>
				<verse number="45">ካብ ፀሎቱ ተሲኡ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም።</verse>
				<verse number="46">ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="47">ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ፥ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ።</verse>
				<verse number="48">ኢየሱስ ድማ “ይሁዳ፥ ብምስዓምዶ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="49">እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “ጐይታ፥ ብሰይፊ ኽንወቕዖምዶ ትፈቅድ ኢኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="50">ሓደ ኻብኣቶም ድማ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረፆ።</verse>
				<verse number="51">ኢየሱስ ግና “እዙይስ ሕደግ” ኢሉ፥ እዝኑ ዳህሲሱ ኣሕወዮ።</verse>
				<verse number="52">ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ?</verse>
				<verse number="53">ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን፥ ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="54">ሒዞም ድማ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="55">ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስውን ኣብ መንጎኣቶም ተቐሚጡ ነበረ።</verse>
				<verse number="56">ሓንቲ ገረድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ ኣትኲራ ጠሚታ፥ “እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት።</verse>
				<verse number="57">ንሱ ግና፥ “ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ።</verse>
				<verse number="58">ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ካልእ ምስ ረአዮ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በሎ።</verse>
				<verse number="59">ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ካልእ ሰብ “እዙይ ገሊላዊ እዩ፤ ብርግፅውን ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="60">ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ነዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ሽዑ ዶርሆ ነቀወ።</verse>
				<verse number="61">ጐይታ ኢየሱስ ድማ፥ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ “ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ።</verse>
				<verse number="62">ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ፥ መሪር ብኽያት በኸየ።</verse>
				<verse number="63">እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ፥ የላግፁሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="64">ገፁ ሸፊኖም ድማ ይፀፍዕዎ፥ “እስኪ ተነበየልና፥ መን እዩ ዝፀፍዐካ?” እናበሉ ይጥይቕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="65">እናፀረፉ ኸዓ ብዙሕ ካልእ ነገራት በልዎ።</verse>
				<verse number="66">ምስ ወግሐ፥ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ። “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ እስኪ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑንን፤</verse>
				<verse number="67"></verse>
				<verse number="68">እንተ ጠየቕኩኹም ድማ፥ ኣይትምልሱለይን፤ ኣይትሰዱንንውን ኢኹም።</verse>
				<verse number="69">ካብ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ብየማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ክቕመጥ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="70">ኵሎም ከዓ፥ “እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ድማ፥ “ከምኡ ኸም ዝኾንኩስ፥ ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="71">ንሳቶም ከዓ “ባዕልትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕናኸ፥ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና?” በሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ሽዑ ዅላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሲኦም፥ ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="2">ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብዙይ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉውን ‘ክርስቶስ ንጉስ እየ’ እናበለ፥ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ” እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="3">ጲላጦስ ከዓ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ፤ “ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="4">ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ግና፥ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብዙይ፥ ኣብ ኵሉ ይሁዳ እናመሃረ፥ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” እናበሉ ኣምሪሮም ተናገሩ።</verse>
				<verse number="6">ጲላጦስ ከዓ ገሊላ እንትብሉ ምስ ሰምዐ፥ ገሊላዊ ምዃኑ ጠየቐ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ።</verse>
				<verse number="8">ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩውን ክሪኦ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ የመና ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="9">ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።</verse>
				<verse number="10">ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="12">ጲላጦስን ሄሮድስን፥ ቅድም እንትብል ፅልኢ ነይርዎምስ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ተዓረቑ።</verse>
				<verse number="13">ጲላጦስ ግና፥ ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ንህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፦</verse>
				<verse number="14">“ነዝ ሰብ እዙይ፥ ‘ህዝቢ የስሕት ኣሎ’ ኢልኩም ናባይ ኣምፂእኹምዎ፤ እንተ ኾነ፥ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፥ ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ኽሲ፥ ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደልኳ ኣይረኸብኩን።</verse>
				<verse number="15">ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ፥ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብፅሕ፥ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ዝበለ፥ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም፥ ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ “ነዙይ ኣወግዶ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="19">በርባን፥ ኣብ ከተማ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን፥ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ጲላጦስ ንኢየሱስ ክፈትሖ ደልዩ፥ ደጊሙ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ግና “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="22">ጲላጦስ ከዓ ንሳልሳይ ጊዜ “እንታይ ክፉእ ገበረ? ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን፤ ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ክስቀል ለመንዎ፤ ቃሎምን፥ ቃል ሊቃነ ካህናትን ድማ በርትዐ።</verse>
				<verse number="24">ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍፀመሎም ፈረደ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና፥ ከም ድልየቶም ክገብርዎ፥ ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="26">ንኢየሱስ ሒዞምዎ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ንስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ሓዝዎ፤ መስቀል ኣሰኪሞም ድማ፥ ደድሕሪኡ ኸም ዝስዕብ ገበሩ፦</verse>
				<verse number="27">ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ይስዕቦ ነበረ፤ ኣንስትውን የልቅሳሉን ይበኽያሉን ነበራ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ግና ናብኣተን ግልፅ ኢሉ “ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፥ ምእንታይስ ኣይትብከያ፤</verse>
				<verse number="29">እተን መኻናትን፥ ዘይወለዳ ማህፀናትን፥ ዘየጥበዋ ኣጥባትን፥ ብፁኣት እየን፤ ዝብሉለን መዓልቲታት ክመፃ እየንሞ።</verse>
				<verse number="30">በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’</verse>
				<verse number="31">ኣብ ርሑስ ኦም ከምዙይ ዝገበሩስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”</verse>
				<verse number="32">ንኽልተ ኸተርትውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም።</verse>
				<verse number="33">ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ምስ በፅሑ፥ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ክልተ ኸተርቲውን ሓደ ብየማኑ፥ ሓደ ብፀጋሙ ሰቐልዎም።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፤ እቶም ሹመኛታት “ንኻልኦት ዘድሕን፥ ንሱ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ሕሩይ እንተ ኾይኑስ፥ እስኪ ንባዕሉ የድሕን” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="36">እቶም ወታደራትውን የባጭውሉ ነበሩ፤ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ክሰትዮ መፂፅ ሃብዎ። “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻ ኣድሕን” በልዎ።</verse>
				<verse number="37"></verse>
				<verse number="38">ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ “እዙይ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል፥ ብፊደል ግሪክን ሮማይስጥን ዕብራይስጥን ዝተፅሓፈ ፅሕፈት ነበረ።</verse>
				<verse number="39">ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ኸተርቲ፥ “ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድሕን” እናበለ ይሕጭጨሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="40">እቲ ኻልኣዩ ግና፥ “ኣታ፥ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ፥ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ?</verse>
				<verse number="41">ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ።</verse>
				<verse number="42">ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="44">ካብ ቀትሪ ሽዱሽተ ሰዓት፥ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ናይ መዓልቲ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ።</verse>
				<verse number="45">ፀሓይ ፀልመተት፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስውን፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ።</verse>
				<verse number="46">ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።</verse>
				<verse number="47">እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብሓቂ ፃድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ።</verse>
				<verse number="48">እቶም ክሪኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ ድማ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ፥ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="49">እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን፥ እተን ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ኣንስትን ከዓ፥ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዙይ ይጥምቱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="50">እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣባል ባይቶ ኣይሁድ፥ ሕያዋይን ፃድቕን ሰብ መፀ።</verse>
				<verse number="51">ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን።</verse>
				<verse number="52">ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመኖ።</verse>
				<verse number="53">ኣውሪዱ ኸዓ፥ ብሓድሽ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ሰብ ኣብ ዘይተቐበሮ፥ ውቑር መቓብርውን ቀበሮ።</verse>
				<verse number="54">ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ።</verse>
				<verse number="55">እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመፃ ኣንስቲ ድማ ተኸቲለን፥ መቓብሩን ነቲ ስጋኡ ኸመይ ከም ዘንበሩዎን ረአያ።</verse>
				<verse number="56">ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ፥ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።</verse>
				<verse number="2">እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።</verse>
				<verse number="3">ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን።</verse>
				<verse number="4">ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።</verse>
				<verse number="5">ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?</verse>
				<verse number="6">ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ።</verse>
				<verse number="9">ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም።</verse>
				<verse number="10">እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን።</verse>
				<verse number="12">ጴጥሮስ ግና ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="13">እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ናብ እትርሕቕ፥ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ድማ በቲ ዅሉ ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">እንትዘራረቡን እንትመራመሩን እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፥ ክኸይድ ጀመረ።</verse>
				<verse number="16">ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ድማ “እዝ እናኸድኩም፥ ንስንሳትኩም እትዛረብዎ ዘለኹም ነገር፥ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ከዓ ሓዚኖም ደው በሉ።</verse>
				<verse number="18">ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል “በዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ፥ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="19">ንሱ ኸዓ “እንታይ እዩ?” በሎም፤ ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ።</verse>
				<verse number="20">ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን፥ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን፥ ከም ዝሰቐልዎን፥</verse>
				<verse number="21">ንሕና ግና፥ ንእስራኤል ዘድሕን፥ ንሱ እዩ ኢልና፥ ተስፋ ንገብር ኔርና፤ ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ዝኸውን፥ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና።</verse>
				<verse number="23">ስጋኡ ምስ ሰኣና፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን፥ ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ፥ መፂአን ነገራና።</verse>
				<verse number="24">ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት፥ ናብ መቓብር ምስ ከዱ፥ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።”</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥</verse>
				<verse number="26">ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።</verse>
				<verse number="28">ናብታ ይኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ሓሊፉ ዝኸይድ መሰለ።</verse>
				<verse number="29">ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ።</verse>
				<verse number="30">ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሰወረ።</verse>
				<verse number="32">ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="33">በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን፥ ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም።</verse>
				<verse number="34">“ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="35">እቶም ክልተ ድማ፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን፥ እንጀራ ኽቘርስ እንተሎ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም።</verse>
				<verse number="36">እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="37">ንሳቶም፥ መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል?</verse>
				<verse number="39">ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="40">እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።</verse>
				<verse number="41">ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም።</verse>
				<verse number="42">ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሳን፥ ወለላ መዓርን ሃብዎ።</verse>
				<verse number="43">ተቐቢሉ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም በልዐ።</verse>
				<verse number="44">ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።</verse>
				<verse number="46">ቀፂሉ ድማ “ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥</verse>
				<verse number="47">ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።</verse>
				<verse number="48">ናይዝ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።”</verse>
				<verse number="49">“እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="50">ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።</verse>
				<verse number="51">ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።</verse>
				<verse number="52">ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙሕ ሓጐስውን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="53">ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="43">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ብእኡ ኾነ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኾነ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝኾነ የለን።</verse>
				<verse number="4">ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።</verse>
				<verse number="5">ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።</verse>
				<verse number="6">ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ዮሃንስ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ።</verse>
				<verse number="8">ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ኾነ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን።</verse>
				<verse number="11">ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።</verse>
				<verse number="15">ዮሃንስ ብዛዕባኡ፥ “እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ ይዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ” እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ።</verse>
				<verse number="16">ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።</verse>
				<verse number="17">ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።</verse>
				<verse number="18">ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።</verse>
				<verse number="19">ኣይሁድ “ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሎም ክጥይቕዎ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ናብኡ ምስ ለኣኹሉ፥ ናይ ዮሃንስ ምስክርነት እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="20">“ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን” ኢሉ መስከረ እምበር፥ ኣይከሓደን።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ። “እቲ ነቢይ ዲኻ?” ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ንሳቶም “መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ፥ ንባዕልኻ መን እየ ትብል?” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">ንሳቶም ከዓ “እምበኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንተ ዘይኴንካ፥ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="26">ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="28">እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።</verse>
				<verse number="29">ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።</verse>
				<verse number="30">“እቲ ኣነ ብዛዕባኡ፥ ‘እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ የመና ይዓቢ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ኣነ ኣይፈልጦን ነይረ፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለፅ፥ ኣነ ብማይ እናጥመቕኩ መፃእኹ።”</verse>
				<verse number="32">መሊሱውን ዮሃንስ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ፥ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሓደረ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ።</verse>
				<verse number="34">ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።”</verse>
				<verse number="35">ንፅባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="36">ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ።</verse>
				<verse number="37">እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ክኽተልዎ እንተለዉ ሪኡ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ረቢ፥ ኣበይ ትነብር?” በልዎ፤ “ረቢ” ትርጕሙ “መምህር” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="39">ንሱ ኸዓ “ንዑ ረአዩ” በሎም። መፂኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር ረአዩ፤ በታ ዕለት እቲኣውን ምስኡ ወዓሉ፤ ጊዜኡውን ዓሰርተ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="40">ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ።</verse>
				<verse number="41">ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ “ንመሲሕ ረኺብናዮ” በሎ። ትርጕሙ ኸዓ “ክርስቶስ” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="42">ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ ኽትብሃል ኢኻ” በሎ። ትርጕሙ “ጴጥሮስ” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="43">ንፅባሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፤ ንፊልጶስ ከዓ ረኸቦ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="44">ፊልጶስ ድማ ኻብ ቤተ ሳይዳ፥ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ።</verse>
				<verse number="45">ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፥ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝፀሓፉሉ፥ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="46">ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ። ፊልጶስ ከዓ “ነዓ ረአ” በሎ።</verse>
				<verse number="47">ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።</verse>
				<verse number="48">ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="49">ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ሪአካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="51">ኣስዒቡ ኸዓ “ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ፥ መላእኽቲ እግዚኣብሄርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ክድይቡን ክወርዱን ከም እትሪኡ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስውን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ወይኒ ምስ ተወድኦም፥ እኖ ኢየሱስ “ወይኒኮ የብሎምን እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ።</verse>
				<verse number="5">እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።</verse>
				<verse number="6">ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ስርዓቶም ዝነፅሁለን፥ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዝሕዛ፥ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥ ኻበይ ከም ዝመፀ ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ፀዊዑ፦</verse>
				<verse number="10">“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ንሱ፥ እኖኡ፥ ኣሕዋቱ፥ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶም፥ ኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="13">ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ።</verse>
				<verse number="16">ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="20">እቶም ኣይሁድ ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሃንፀ፤ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ።</verse>
				<verse number="22">ካብ ምዉታን ምስ ተስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መፅሓፍን፥ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ካብ ወገን ፈሪሳውያን ሓለቓ ኣይሁድ ዝኾነ፥ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፥ “መምህር፥ ብዘይ እቲ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፥ ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ፥ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፃእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና” በሎ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="4">ኒቆዲሞስ ከዓ “ሰብከ ምስ ዓበየ፥ ከመይ ኢሉ ኻልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማህፀን እኖኡ ኣትዩ ኽውለድዶ ይኽእል እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።</verse>
				<verse number="8">ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">ኒቆዲሞስ ከዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን፥ ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ?</verse>
				<verse number="11">ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ዘይኣመንኩምስ፥ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፥ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ?</verse>
				<verse number="13">ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="18">እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።</verse>
				<verse number="20">ኵሉ እቲ ኽፉእ ዝገብር፥ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለፅ ብርሃን ይፀልእ እምበር፥ ናብ ብርሃን ኣይመፅእን።</verse>
				<verse number="21">እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፥ እቲ ግብሩ ብእግዚኣብሄር ዝተገበረ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ ናብ ብርሃን ይመፅእ።”</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፤ ኣብኡ ኸዓ እናጥመቐ ምስኣቶም ቀነየ።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፥ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከዓ እናመፁ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ስርዓት ምንፃህ፥ ክርክር ተልዓለ።</verse>
				<verse number="26">ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ።</verse>
				<verse number="27">ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="28">‘ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር፥ ክርስቶስ ኣይኮንኩን’ ከም ዝበልኩ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር።</verse>
				<verse number="33">እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።</verse>
				<verse number="34">እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።</verse>
				<verse number="35">ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ጐይታ ኢየሱስ፥ ካብ ናይ ዮሃንስ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርት፥ ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን፥ ፈሪሳውያን ከም ዝሰምዑ ምስ ፈለጠ፥</verse>
				<verse number="2">ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፥ ባዕሉ ኢየሱስ ኣየጥመቐን።</verse>
				<verse number="3">እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ፥ ንምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="4">ብሰማርያ ኣቢሉ ኽሓልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ፥ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መፀ።</verse>
				<verse number="6">ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት፤ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኣስትይኒ?” በላ።</verse>
				<verse number="8">ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።</verse>
				<verse number="11">እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ፥ መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ፥ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ክተምፅኦ ኢኻ?</verse>
				<verse number="12">ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያእቆብ፥ ትዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ መሊሱ “ኵሉ ኻብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤</verse>
				<verse number="14">ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="15">እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ከይፀምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ፥ መሊሰ ናብዙይ ከይመፅእስ፥ ካብቲ ማይ እቱይ እንዶ ሃበኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ከዓ “ኪዲሞ ሰብኣይኪ ፀዊዕኺ ናብዙይ ንዒ” በላ።</verse>
				<verse number="17">እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልክስ ሓቂ ተዛሪብኪ፤</verse>
				<verse number="18">ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ።</verse>
				<verse number="19">እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ኣቦታትና ኣብዝ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ስፍራ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ” በለቶ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ እመንኒ።</verse>
				<verse number="22">ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።</verse>
				<verse number="23">እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።</verse>
				<verse number="25">እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤ ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኵሉ ኽነግረና እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ ድማ “ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ” በላ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፁሞ፥ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ?” ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="28">እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን</verse>
				<verse number="29">“ኵሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ረአዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን?” በለቶም።</verse>
				<verse number="30">እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መፁ።</verse>
				<verse number="31">እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም “ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምፂኡሉ ኾይኑ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።</verse>
				<verse number="35">ንስኻትኩም ‘ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ?’ እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፥ ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ኸም ዝፃዕደወ፥ ንዓፂድውን ድሮ ኸም ዝበፅሐ ረአዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ።</verse>
				<verse number="37">‘እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ ይዓፅድ’ ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="38">ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="39">እታ ሰበይቲ “ኵሉ ዝገበርክዎ ነጊሩኒ” ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="40">እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="41">ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙሓት ኣመኑ።</verse>
				<verse number="42">ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።</verse>
				<verse number="43">ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ካብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤</verse>
				<verse number="44">ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር፥ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ።</verse>
				<verse number="45">መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መፀ እቶም ሰብ ገሊላ ዅሎም ንበዓል መፂኦም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ዅሉ በቲ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ።</verse>
				<verse number="46">ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፥ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መፀ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ፥ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉስ ወገን ዝኾነ፥ ሓደ ሹም ነበረ።</verse>
				<verse number="47">ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ።</verse>
				<verse number="48">ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።</verse>
				<verse number="49">እቲ ሹም ከዓ “ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ።</verse>
				<verse number="50">ኢየሱስ ድማ “ኪድ፥ ወድኻ ሓውዩ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ።</verse>
				<verse number="51">ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ “ወድኻ ሓውዩ” ኢሎም ኣብሰርዎ።</verse>
				<verse number="52">ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ሓዲግዎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="53">ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ።</verse>
				<verse number="54">ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መፂኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፤ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋፅ ዝፅበዩ ብዙሓት ሕሙማትን፥ ዕዉራትን፥ ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ፀፀኒሑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ቓላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውፆ ነበረ፤ እቲ ቐዲሙ ወሪዱ፥ ኣብቲ ዝተናወፀ ማይ ዝኣተወ፥ ካብ ዅሉ ዘለዎ ሕማም ይሓዊ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ካብ ዝሓምም ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝገበረ፥ ሓደ ሰብ ኣብኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ሕሙም ከዓ “ጐይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወፀ፥ ናብቲ ቓላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን፤ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ፥ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትሽከም ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ከዓ “እቲ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተሓዊሱ ነበረሞ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ከም ዘሕወዮ ኣይፈለጠን።</verse>
				<verse number="14">ብድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃረ እንተሎ፥ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ካብዙይ ዝገደደ ኸይረኽበካ፥ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሰብኣይ ከዓ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄርውን “ኣቦይ” ስለ ዝበለ፥ ንባዕሉውን ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘመዓራረየ፥ ኣይሁድ ክቐትልዎ ኣበርቲዖም ይደልዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ፥ ነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ባዕሉ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ዝገብሮ፥ ወልድውን ይገብሮ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ፥ ንወልድ ስለ ዘፍቅሮ፥ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ የርእዮ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድነቑውን፥ ካብዙይ ዝዓቢ ግብሪ ኸርእዮ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም።</verse>
				<verse number="22">ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን።</verse>
				<verse number="23"></verse>
				<verse number="24">ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።</verse>
				<verse number="25">እቶም ምዉታን፥ ድምፂ ወዲ እግዚኣብሄር ዝሰምዑላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ፤ ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ ብህይወት ከም ዝነብሩ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።</verse>
				<verse number="27">ወዲ ሰብ፥ ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ስልጣን ሃቦ።</verse>
				<verse number="28">ኵላቶም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ፥ ድምፁ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ በዙይ ኣይትገረሙ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ህይወት፥ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ኵነኔ፥ ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="30">“ኣነ ኻብ ርእሰይ ሓደ ነገርኳ ኽገብር ኣይክእልን፤ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይገብርን እየሞ፤ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕኽዎ እየ ዝፈርድ፤ ፍርደይ ከዓ ቕኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="31">ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ ዝምስክር እንተ ኾይነ፥ ምስክርነተይ ሓቂ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="32">ግና ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ እዩ፤ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከዓ፥ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="33">ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፤ ንሱ ኸዓ ንሓቂ መስከረ።</verse>
				<verse number="34">እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="35">ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።</verse>
				<verse number="36">ኣነ ግና ኻብ ምስክርነት ዮሃንስ ዝበልፅ ምስክር ኣለኒ፤ እዙይ ድማ፥ እቲ ኣብ ክፍፅሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፥ ኣነውን ዝገብሮ ዘለኹ፥ ኣብ ከም ዝለኣኸኒ ንሱ ይምስክረለይ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="37">እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓ፥ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑውን ከቶ ኣይረአኹምን።</verse>
				<verse number="38">በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓድርን።</verse>
				<verse number="39">ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።</verse>
				<verse number="40">ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።</verse>
				<verse number="41">ኣነ ኻብ ሰብ ከንቱ ኽብሪ ኣይደልን እየ።</verse>
				<verse number="42">ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="43">ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="44">ንስኻትኩም ካብ ብፃይኩም ክብሪ እናደለኹም፥ ናይ ሓደ እግዚኣብሄር ክብሪ ግና ዘይትደልዩ፥ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ?</verse>
				<verse number="45">ኣነ ኣብ ኣብ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም፤ ዝኸሰኩምስ ኣሎ፤ ንሱውን እቲ ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም።</verse>
				<verse number="46">ንሙሴ እንተ እትኣምንዎስ፥ ንሱ ብዛዕባይ ፅሒፉ እዩ እሞ፥ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።</verse>
				<verse number="47">ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ እንተ ዘይኣሚንኩም ግና፥ ከመይ ጌርኩም ድኣ ንቓለይ ክትኣምኑ?”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ብዙሓት ህዝቢ ኸዓ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="4">በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኢየሱስ ኣዒንቱ ቘላሕ ኣቢሉ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአየ፥ ንፊልጶስ “ነዚኣቶም እነብልዖም እንጀራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና?” በሎ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍትኖ እዩ እምበር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎስ ባዕሉ ይፈልጦ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ፊልጶስ ከዓ “ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ንነፍሲ ወከፎም እኳ ቘቍራስ ኣይበፅሖምን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="8">ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥</verse>
				<verse number="9">“ሓሙሽተ እንጀራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ኣብዙይ ኣሎ፤ እዚኣተን ግና፥ ነዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይኣኽላ?” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ድማ “ነቶም ህዝቢ ኣቐምጥዎም” በለ፤ ኣብቲ ቦታ ኸዓ፥ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ተቐመጡ፤ ቍፅሮም ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="12">በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይውን ኣከብዎ፤ ተረፍ እቶም ካብተን ሓሙሽተ እንጀራ ስገም ዝበልዑ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ቍርስራስ መልኡ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ህዝቢ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም “እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ነቢይ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።</verse>
				<verse number="16">ምስ መሰየ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከዓ፥ ናብቲ ሰገር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ኣቢሎም ከዱ፤ ጊዜኡ ፀልሚቱ ነበረ፤ ኢየሱስውን ናብኣቶም ገና ኣይመፀን ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ስለ ዝነፈሰ እቲ ባሕሪ ይናወፅ ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ናብታ ጃልባ ኸደይብዎ እናደለዩ እንተለዉ፥ እታ ጃልባ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በፅሐት።</verse>
				<verse number="22">ንፅባሒቱ እቶም ኣብ ሰገር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እንትርፊ ሓንቲ ጃልባ፥ ካልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ንበይናቶም ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ።</verse>
				<verse number="23">እንተ ኾነ፥ ካልኦት ጃልባታት ካብ ጥብርያዶስ፥ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ እንጀራ ዝበልዑላ ቦታ መፃ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ፥ ናብተን ጃልባታት ደዪቦም፥ ንኢየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ሰገር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸዓ “መምህር፥ መኣዝ ደኣ ናብዙይ መፂእኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ መሊሱ “እትደልዩኒ ዘለኹም፥ እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝፀገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረአኹምዎ ተኣምራት ከም ዘይኮነ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ድማ “እምበኣር ግብሪ እግዚኣብሄር ክንሰርሕስ፥ እንታይ ንግበር?” በልዎ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ ንሳቶም “ንሕና ርኢና ምእንቲ ብኣኻ ኽንኣምንስ፥ እንታይ ምልክት ትገብር? እንታይከ ትሰርሕ?</verse>
				<verse number="31">ከምቲ ‘ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ድማ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጀራ ኻብ ሰማይ፥ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር፥ ነቲ እንጀራ እቱይ ካብ ሰማይ ዝሃበኩም ሙሴ ኸም ዘይኮነስ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="34">ሽዑ ንሳቶም “ጐይታ! ኻብዝ እንጀራ እዙይ ኵልሻዕ ሃበና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።</verse>
				<verse number="36">ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን።</verse>
				<verse number="37">ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።</verse>
				<verse number="38">ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="39">ካብቶም ኵሎም ንሱ ዝሃበኒ፥ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦም እየ እምበር፥ ሓደኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ።</verse>
				<verse number="40">ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”</verse>
				<verse number="41">ስለዙይ ድማ ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="42">“እዙይስ እቲ ኣቦኡን እኖኡን ንሕና እንፈልጦም፥ ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? ከመይ ኢሉ ደኣ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል?” በሉ።</verse>
				<verse number="43">ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ፤</verse>
				<verse number="44">እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።</verse>
				<verse number="45">ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ።</verse>
				<verse number="46">እንትርፊ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣብ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ ንሱ እዩ ንኣብ ዝረአዮ።</verse>
				<verse number="47">እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="48">ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="49">ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተ ኾነ ግና ሞቱ።</verse>
				<verse number="50">እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ካብኡ ዝበልዐ ድማ ኣይመውትን።</verse>
				<verse number="51">እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”</verse>
				<verse number="52">ሽዑ ኣይሁድ “እዙይስ ስጋኡ ኽንበልዕ፥ ከመይ ገይሩ ኽህበና ይኽእል?” እናበሉ ንስንሳቶም ተኻትዑ።</verse>
				<verse number="53">ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኹም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="54">ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።</verse>
				<verse number="55">ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="56">እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር።</verse>
				<verse number="57">እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።</verse>
				<verse number="58">እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ፥ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና፥ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።”</verse>
				<verse number="59">ኢየሱስ ነዝ ዅሉ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናመሃረ እንተሎ እዩ።</verse>
				<verse number="60">ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም “እዝ ዘረባ እዙይስ፥ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል?” በሉ።</verse>
				<verse number="61">ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ “እዙይዶ የዐንቅፈኩም?</verse>
				<verse number="62">ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም?</verse>
				<verse number="63">ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።</verse>
				<verse number="64">ግና ኻባኻትኩም ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየንኦም ምዃኖም፥ እቲ ዘትሕዞውን መን ምዃኑ፥ ካብ መጀመርታ ይፈልጥ ነበረሞ።</verse>
				<verse number="65">ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="66">በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም፥ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን።</verse>
				<verse number="67">ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="68">ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?</verse>
				<verse number="69">ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="70">ኢየሱስ ድማ “ንዓሰርተ ኽልቴኹም ዝሓረኹኹምስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ዲያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="71">እዙይ ዝበለ ድማ፥ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ዘትሕዞ ንሱ እዩ እሞ፤ ንሱውን ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ቀሪቡ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ።</verse>
				<verse number="4">ብገሃድ ክፍለጥ እናደለየ ብሕቡእ ዝገብር የለንሞ፥ እዙይ እትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንባዕልኻ ንዓለም ግለፅ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበፅሐን፤ ጊዜኹም ግና፥ ኵልሻዕ ድልዊ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፤ ኣነ ግና፥ ጊዜይ ገና ስለ ዘይበፅሐ፥ ናብዝ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብሕቡእ ደየበ።</verse>
				<verse number="11">ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ግና፥ ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ኽምህር ጀመረ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ትምህርተይስ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="17">ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን።</verse>
				<verse number="19">ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና፥ ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍፅሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?”</verse>
				<verse number="20">እቶም ህዝቢ ኸዓ “ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ?” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዅልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ?</verse>
				<verse number="24">ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”</verse>
				<verse number="25">ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="26">እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ገለ እኳ ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ፥ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም?</verse>
				<verse number="27">ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመፅእ እንተሎ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ ሓደኳ የለን” በሉ።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ኣይሓዞን።</verse>
				<verse number="31">ካብቶም ህዝቢ ኸዓ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ መፀኸ፥ ካብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝሕዶ ኽገብር እዩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="32">ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ኢየሱስ “ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድሕሪዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ።</verse>
				<verse number="34">ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="35">ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?</verse>
				<verse number="36">‘ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="37">በታ ዳሕረወይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል፥ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።</verse>
				<verse number="38">እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="39">እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።</verse>
				<verse number="40">ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ነዝ ዘረባዙይ ሰሚዖም፥ “እዙይ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="41">ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ?</verse>
				<verse number="42">ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="43">ስለዙይ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ።</verse>
				<verse number="44">ገሊኣቶም ክሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ኽሕዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="45">እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመለሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘየምፃእኹምዎ?” በልዎም።</verse>
				<verse number="46">እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="47">ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="48">ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ህዝቢ፥ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን፥ ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም?</verse>
				<verse number="49">እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ” ኢሎም መለሱሎም።</verse>
				<verse number="50">ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥</verse>
				<verse number="51">“ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም።</verse>
				<verse number="52">ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="53">ኵሎም ድማ ነናብ ገዛኦም ከዱ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ኢየሱስውን ናብ ደብረ ዘይት ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="3">መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ፥ ናብኡ ኣምፂኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፥</verse>
				<verse number="4">“መምህር፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ እንተላ ተትሒዛ፤</verse>
				<verse number="5">ከምዚኣ ዝበለት ከዓ፥ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ኽትቅተል፥ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙ እዩ፤ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል?” በልዎ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ።</verse>
				<verse number="7">ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">መሊሱውን ደኒኑ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ፀሓፈ።</verse>
				<verse number="9">ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን?” በላ።</verse>
				<verse number="11">ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።</verse>
				<verse number="13">ፈሪሳውያን ከዓ “ንስኻ ንባዕልኻ ትምስክር ኣለኻ፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኮነን” በልዎ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ፥ ካበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ፥ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኻበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም ስጋዊ ፍርዲ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ኣነ ግና ንሓደኳ ኣይፈርድን እየ።</verse>
				<verse number="16">ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር፥ በይነይ ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣነ እንተ ፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ምስክር ክልተ ሰብ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ሕግኹም ተፅሒፉ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ከዓ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ንኣይ ኮነ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ንኣይ እንተ እትፈልጡንስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="20">ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ምፅዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ዝሓዞ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኣይሁድ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ምባሉስ፥ ንባዕሉ ደኾን ባዕሉ ኽቐትል ደልዩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ሽዑ ንሳቶም “ንስኻ መን ኢኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቲ ኻብ መጀመርታ ሒዘ ዝነገርኩኹም እየ።</verse>
				<verse number="26">ብዛዕባኻትኹም ብዙሕ ዝዛረቦን ዝፈርዶን ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ኣነውን ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ፥ ንዓለም እነግር ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣብ፥ ከም ዝተዛረቦም ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ ልዕል ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥ ኣነ ንሱ ኸም ዝኾንኩን፥ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብርን እምበር፥ ካብ ርእሰይ ሓንቲኳ ኸም ዘይገብር፥ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="29">እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ነዙይ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ከዓ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንዝኾነ ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ?” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ባርያ ኣብ ቤት ንዅልሻዕ ኣይነብርን እዩ። ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ።</verse>
				<verse number="36">ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="37">ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፥ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="38">ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="39">ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።</verse>
				<verse number="40">ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም፥ ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን።</verse>
				<verse number="41">ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="42">ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር እየ ዝወፃእኹን ዝመፃእኹን፤ ንሱ ልኢኹኒ እምበር፥ ባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ ስለዙይ ኣቦኻትኩም እግዚኣብሄር እንተ ዝኸውንስ፥ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።</verse>
				<verse number="43">ስለ ምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ? ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="44">ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።</verse>
				<verse number="45">ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን።</verse>
				<verse number="46">ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?</verse>
				<verse number="47">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”</verse>
				<verse number="48">ኣይሁድ ከዓ “ሳምራዊ ኢኻ፤ ጋኔንውን ኣለካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን?” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="49">ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="50">ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፤ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ።</verse>
				<verse number="51">ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ፈፂሙ ኣይመውትን” በሎም።</verse>
				<verse number="52">ኣይሁድ ድማ “ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ኣይመውትን’ ትብል ኣለኻ።</verse>
				<verse number="53">ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ፥ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="54">ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ንባዕለይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።</verse>
				<verse number="55">ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ በልኩ ከዓ፥ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፥ ቃሉውን እሕሉ እየ።</verse>
				<verse number="56">ኣቦኻትኩም ኣብርሃም፥ መዓልተይ ክርኢ ተሓጐሰ፤ ሪኡ ኸዓ ደስ በሎ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="57">ኣይሁድ ድማ “ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፥ ንኣብርሃም ሪአዮ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="58">ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ ” በሎም።</verse>
				<verse number="59">ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ኢየሱስ ብመንገዲ ኽሓልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ።</verse>
				<verse number="2">ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ግብሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እምበር፥ ብናይ ባዕሉ ወይ ብናይ ወለዱ ሓጢኣት ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="4">ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።”</verse>
				<verse number="6">እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ፀብሪ ገበረ፤ በቲ ፀብሪ ኸዓ፥ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ቀብአ እሞ፥</verse>
				<verse number="7">“ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ።</verse>
				<verse number="9">ገሊኣቶም “ንሱ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር፥ ንሱ ኣይኮነን” በሉ፤ ንሱ ግና “ኣነ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ንሳቶም “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፈታ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ቀቢኡ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓፀብኩ ድማ ረአኹ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="12">ንሳቶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ኣይፈልጥን” በሎም።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="14">እታ ኢየሱስ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ፥ ሰንበት ነበረት።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓፀብኩ እሞ ረአኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፥ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="18">እቶም ኣይሁድ ግና፥ ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ክሳዕ ዝፅውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ?” ኢሎም ጠየቕዎም።</verse>
				<verse number="20">እቶም ወለዱ ድማ “እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን፥ ብዕዉሩ ኸም ዝተወለደን ንፈልጥ።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤተ ፀሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ “ንሱ ዓብዪ እዩ እሞ፥ ጠይቕዎ” ዝበሉ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ሓጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና፥ እርኢ ኸም ዘለኹን፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ከዓ “እንታይከ ገበረልካ? ኸመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="28">ንሳቶም ድማ ፀረፍዎ “ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።</verse>
				<verse number="29">ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፤ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።</verse>
				<verse number="31">እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="32">ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ፥ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝበሃል ከቶ ኣይተሰምዐን።</verse>
				<verse number="33">እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="34">ንሳቶም ከዓ “ንስኻ ኵለንትናኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና?” ኢሎም ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ “ንስኻ ብወዲ እግዚኣብሄርዶ ተኣምን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="36">ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="37">ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኣለኻ፤ ሕዚ እውን ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ንሱ ኸዓ “ጐይታ፥ እኣምን እየ” ኢሉ ሰገደሉ።</verse>
				<verse number="39">ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቶም ዘይሪኡ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እቶም ዝሪኡ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ፥ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ ዘለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="40">ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ።</verse>
				<verse number="41">ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና፥ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን።</verse>
				<verse number="4">ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘይፈልጣ፥ ካብኡ ይሃድማ እምበር፥ ኣይስዕባኦን እየን።”</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ቅድመይ ዝመፁ ዅላቶም፥ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዓኦምን።</verse>
				<verse number="9">እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሰራቒ ግና፥ ክሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመፅእን እዩ፤ ኣነ ግና፥ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን ኽበዝሐሎምን እየ ዝመፃእኹ።</verse>
				<verse number="11">“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና፥ ተዅላ ኽመፅእ እንተ ረአየ፥ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፤ እቲ ተዅላ ድማ፥ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን።</verse>
				<verse number="13">ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ ይሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን።</verse>
				<verse number="14">ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”</verse>
				<verse number="19">ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ መሊሱ ምፍልላይ ኮነ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ኻብኣቶም ብዙሓት “ጋኔን ሒዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ?” በሉ።</verse>
				<verse number="21">ካልኦት ግና “እዙይ ጋኔን ናይ ዝሓደሮ ሰብ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይኽእል እዩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ድማ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ፥ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።</verse>
				<verse number="26">ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።</verse>
				<verse number="28">ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="30">ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ።</verse>
				<verse number="32">ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="33">ኣይሁድ ከዓ “ብእምኒ እንቕጥቅጠካ፥ ብምፅራፍካን ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባርካን ኢና እምበር፥ በቲ ፅቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ’ ዝብል ፅሑፍዶ የለን እዩ?</verse>
				<verse number="35">እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥</verse>
				<verse number="36">ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="37">ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ።</verse>
				<verse number="38">ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="39">መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።</verse>
				<verse number="40">መሊሱ ናብታ ዮሃንስ ቀደም ዘጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ፥ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="41">ብዙሓት ድማ ናብኡ መፂኦም “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ” በሉ።</verse>
				<verse number="42">ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እዛ ማርያም እዚኣ እታ ንጐይታ ሽቱ ዝቐብአቶ፥ ብፀጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝሓበሰቶ እያ፤ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛርውን ሓዋ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እተን ኣሓቱ “ጐይታ፥ እቲ እትፈትዎስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ።</verse>
				<verse number="4">ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን፥ ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፥ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪዙይ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም።</verse>
				<verse number="8">ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “መምህር፥ ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ፥ ኣይሁድ ብእምኒ ኽቕጥቅጡኻ ይደልዩ ነይሮምስ፥ መሊስካዶ ናብኡ ክኸይድ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ድማ “ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ኽልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ ሰብ፥ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝርኢ፥ ኣይዕንቀፍን እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፥ ኣብኡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="11">እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ክጥዒ እዩ” በልዎ።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፤ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኢየሱስ ብገሃድ “ኣልኣዛር ሞይቱ፤</verse>
				<verse number="15">ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፥ ብዛዕባኻትኩም እሕጐስ ኣለኹ፤ ግና ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስ፥ ነቶም ብፆቱ ደቀ መዛሙርት “ንሕናውን ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” በሎም።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መፀ፥ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜትር ኣቢላ ትርሕቕ ነበረት።</verse>
				<verse number="19">ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ማርታ ምምፃእ ኢየሱስ ሰሚዓ፥ ክትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ነበረት።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዙይ ኔርካ እንተ እትኸውንስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ እውን እቲ ዅሉ ንእግዚኣብሄር እትልምኖ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ “ሓውኪ ኽትስእ እዩ” በላ።</verse>
				<verse number="24">ማርታ ድማ፥ “በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፥ ብትንሳኤ ኸም ዝትስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ?” በላ።</verse>
				<verse number="27">ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ፤ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ፥ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ።</verse>
				<verse number="28">እዙይ ኢላ ኸደትሞ፥ ንማርያም ሓፍታ ሕሽዅ ኢላ “መምህር መፂኡ፤ ይፅውዐኪውን ኣሎ” በለታ።</verse>
				<verse number="29">ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ፀንሐ እምበር፥ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እቶም ከፀናንዕዋ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውፃኣን ሪኦም፥ ናብ መቓብር ከይዳ ኽትበኪ ዝደለየት መሲልዎም ተኸተልዋ።</verse>
				<verse number="32">ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዙይ እንተ እትነብርስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ሪኡ፥ ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፥</verse>
				<verse number="34">“ኣበይ ቀቢርኩምዎ?” በለ፤ ንሳቶም ከዓ “ጐይታ፥ ነዓ ረአ” በልዎ።</verse>
				<verse number="35">ኢየሱስ ድማ ነብዐ።</verse>
				<verse number="36">ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ።</verse>
				<verse number="37">ገሊኣቶም ግና “እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፥ ነዙይውን ከም ዘይመውት ክገብሮዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ?” በሉ።</verse>
				<verse number="38">ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ።</verse>
				<verse number="39">ኢየሱስ “ነዝ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፤ ሓፍቲ እቲ ምዉት ማርታ ድማ፥ “ጐይታ፥ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ፥ ሸቲቱ እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="40">ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።</verse>
				<verse number="41">ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="42">እዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ፥ እዙይ ዝበልኩ እምበር፥ ኣነስ ኵልሻዕ ከም እትሰምዐኒ እፈልጥ እየ” በለ።</verse>
				<verse number="43">እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ።</verse>
				<verse number="44">እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገፁውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="45">ሽዑ ኻብቶም ናብ ማርያም ዝመፁ ብዙሓት ኣይሁድ፥ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ሪኦም፥ ብእኡ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="46">ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፥ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="47">እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ጉባኤ ኣኪቦም “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፥ እንታይ ንግበር?</verse>
				<verse number="48">ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መፂኦም፥ ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ።</verse>
				<verse number="49">ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤</verse>
				<verse number="50">ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእስ፥ ሓደ ሰብ ቤዛ ህዝቢ እንተ ሞተ፥ ከም ዝሕሸናዶ ኸቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="51">እዙይ ዝበለ ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ ቤዛ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="52">ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="53">ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="54">ብድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ምምልላስ ሓደገ፤ ስለዙይ ድማ፥ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድሪ፥ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="55">ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ፥ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንፅሁ፥ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።</verse>
				<verse number="56">ሽዑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንስንሳቶም “እንታይ ይመስለኩም? ናብዝ በዓል ደኾን ኣይመፅእን?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="57">እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ፥ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፥ ቢታንያ ናብ ዝተብሃለት ዓዲ ኸደ።</verse>
				<verse number="2">ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።</verse>
				<verse number="4">ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥</verse>
				<verse number="5">“እዝ ምዑዝ ሽቱ እዙይ፥ ብሰለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ፥ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ?” በለ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ሕደጉዋ።</verse>
				<verse number="8">ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="9">ድሕሪዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰባት፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መፁ። እንተ ኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛርውን ክሪኡ እምበር፥ ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመፁ።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ፥ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥</verse>
				<verse number="13">ጨናፍር ስየ ሒዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ “ሆሳዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ፥ ንጉስ እስራኤል ቡሩኽ እዩ!” በሉ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ፦ “ኣቲ ጓል ፅዮን ኣይትፍርሒ፤ እንሆ ንጉስኪ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ ተቐሚጡ ይመፅእ ኣሎ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ገልገል ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ደቀ መዛሙርቱ፥ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፥ ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ፀዊዑ፥ ካብ ምዉታን ከተስኦ እንተሎ፥ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ህዝቢ ድማ፥ እዝ ተኣምራት እዙይ ከም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም፥ ክቕበልዎ ዝወፁ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="20">ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ግሪካውያን ነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፥ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መፂኦም፥ “ጐይታ፥ ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና” ኢሎም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="22">ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ፥ ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በፂሓ እያ።</verse>
				<verse number="24">ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="27">“ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’ ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ።</verse>
				<verse number="28">ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ “ነጐድጓድ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር፥ ምእንታይ ኣይኮነን ዝመፀ።</verse>
				<verse number="31">እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”</verse>
				<verse number="33">እዙይ ዝበለ ኸዓ፥ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ክመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ።</verse>
				<verse number="34">ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="35">ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="36">ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም።</verse>
				<verse number="37">እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ኦ ጐይታ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ሓይሊ እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደሉ?” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኣይኣመኑን፤</verse>
				<verse number="38"></verse>
				<verse number="39">ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ “በዒንቶም ከይሪኡ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ፥ ናባይ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከይምሕሮምስ፥ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ” ኸም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="40"></verse>
				<verse number="41">ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ፥ ክብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።</verse>
				<verse number="42">ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን።</verse>
				<verse number="43">እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ።</verse>
				<verse number="44">ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።</verse>
				<verse number="45">እቲ ንኣይ ዝረአየ፥ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ።</verse>
				<verse number="46">እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="47">እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመፃእኹ፥ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኣይመፃእኹንሞ።</verse>
				<verse number="48">ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።</verse>
				<verse number="49">እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን።</verse>
				<verse number="50">እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።</verse>
				<verse number="2">እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥</verse>
				<verse number="4">ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።</verse>
				<verse number="6">ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ በፅሐ፤ ንሱ ድማ “ጐይታ፥ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓፅበኒ ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="8">ጴጥሮስ ከዓ “ብፍፁም ኣእጋረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እንተ ዘይሓፂበካስ፥ ምሳይ ክፍሊ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="9">ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ኣእዳወይን ርእሰይንውን እምበር” በሎ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ከዓ “እቲ ዝተሓፅበ፥ ኵለንትናኡ ንፁህ እዩ እሞ፥ እንትርፊ ኣእጋሩ፥ ምሕፃብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንፁሃት ኢኹም፤ ግና ዅልኻትኩም ኣይኮንኩምን” በለ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ “ኵልኻትኩም ንፁሃት ኣይኮንኩምን” ዝበለ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ፥ መን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣእጋሮም ምስ ሓፀቦም ድማ፥ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፥ መሊሱ ምስኣቶም ተቐመጠ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እዝ ዝገበርኩልኩምስ፥ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም።</verse>
				<verse number="14">እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ነገር ምስ ኮነ፥ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እቲ ነገር እንተይኮነ፥ ካብ ሕዚ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”</verse>
				<verse number="21">ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ብመንፈሱ ሓዚኑ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ዘትሕዘኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ብዛዕባ መን ከም ዝተዛረበ ስለ ዘይፈለጡ፥ ንስንሳቶም ተጠማመቱ።</verse>
				<verse number="23">ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ፥ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ።</verse>
				<verse number="24">ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።”</verse>
				<verse number="25">ንሱ ኸዓ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ ከዓ “እቲ ኣነ ቝራስ እንጀራ ፀቢሐ ዝህቦ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰ፤ ሽዑ ድማ ቝራስ እንጀራ ፀቢሑ፥ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ፥ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ሓደረ። ሽዑ ኢየሱስ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፥ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="29">ንገሊኣቶም ግና፥ ሙዳየ ምፅዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ “ንበዓል ዘድልየና ዓድግ” ወይ ከዓ “ንድኻታት ሃብ” ዝበሎ መሲልዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="30">ይሁዳውን ነታ ቝራስ እንጀራ ምስ ተቐበለ፥ ሽዑ ንሽዑ ወፀ፤ ለይቲ እውን ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ይሁዳ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ሕዚ ወዲ ሰብ ከበረ፤ እግዚኣብሄርውን ብእኡ ኸበረ።</verse>
				<verse number="32">እግዚኣብሄር ብእኡ ኻብ ከበረ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="33">ደቀይ፥ ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ከምቲ ንኣይሁድ ‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም፥ ንኣኻትኩምውን ሕዚ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="34">ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="35">ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”</verse>
				<verse number="36">ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ፥ “ጐይታ፥ ናበይ ክትከይድ ኢኻ?” በሎ፤ ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="37">ጴጥሮስ ከዓ “ጐይታ፥ ስለ ምንታይ እየ፥ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ህይወተይ እንተ ኾነውን፥ ቤዛኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="38">ኢየሱስ ድማ “ንህይወትካ ቤዛይ ክተሕልፋ ዲኻ? ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ጊዜ ኸም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።</verse>
				<verse number="3">ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ ኢኹም፤ መንገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="5">ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።</verse>
				<verse number="7">ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ እትኾኑስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና፥ ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።”</verse>
				<verse number="8">ፊልጶስ ከዓ “ጐይታ፥ ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር፥ ይኣኽለና” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊልጶስ፥ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ፥ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ፤ ከመይ ኢልካ ደኣ ‘ንኣብ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ?</verse>
				<verse number="10">ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ፥ ኣብውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ? እቲ ኣባይ ዘሎ ኣብ፥ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፥ እዝ ነኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ካብ ባዕለይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፥ ኣብውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ፤ እንተ ዘይኮነ ስለ እቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ።</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ።</verse>
				<verse number="15">“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።</verse>
				<verse number="19">ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።</verse>
				<verse number="20">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ኣብ ኣቦይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ኣባይ፥ ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ፥ ክትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”</verse>
				<verse number="22">እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ይሁዳ ድማ፥ “ጐይታ፥ እቲ ንዓለም ዘይኮነ፥ ንኣና ንባዕልኻ እትገልፀሉ ኸመይ እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።</verse>
				<verse number="24">እቲ ዘየፍቅረኒ ግና፥ ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ፤ እዝ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከዓ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="25">“ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እዝ ነገራት እዙይ ነገርኩኹም።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ።</verse>
				<verse number="27">ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።</verse>
				<verse number="28">‘ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ’ ዝበልኩኹም፥ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንተ እትፈትዉንስ፥ ናብ ኣብ፥ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም፤ ኣብ፥ ካባይ ይዓቢ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ነገር ምስ ኮነ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እንተይኮነ ሕዚ ነጊረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="30">ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤</verse>
				<verse number="31">እንተ ኾነ፥ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተስኡ ኻብዙይ ንኺድ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም።</verse>
				<verse number="4">ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="6">ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።</verse>
				<verse number="7">ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">“ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።</verse>
				<verse number="14">ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">“ዓለም እንተ ፀልአኩም፥ ኣቐዲሙ ንኣይ ከም ዝፀልአኒ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም።</verse>
				<verse number="21">እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም።</verse>
				<verse number="22">ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንኣይ ዝፀልእ፥ ነቦይውን ይፀልእ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።</verse>
				<verse number="25">እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ‘ብዘይ ምኽንያት ፀልኡኒ’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ ዝኾነ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ መሰኻኽረይ ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">“እዙይ ዝነገርኩኹም ከይትዕንቀፉ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ ዝመስሎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።</verse>
				<verse number="4">እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።</verse>
				<verse number="5">“ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ፥ ናብ ኣብ፥ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ‘ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፥ ኣብ ልብኹም ሓዘን መልአ።</verse>
				<verse number="7">እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብዛዕባ ፅድቂ ድማ፥ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ስለ ዘይትሪኡኒ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።</verse>
				<verse number="12">“ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተ ኾነ፥ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።</verse>
				<verse number="13">እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዅሉ ናይ ኣብ ዝኾነ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ኻባይ ወሲዱ፥ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩኹም።</verse>
				<verse number="16">“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም።”</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም “እዝ ‘ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ ንሳቶም “እዝ ንቑሩብ ጊዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="19">ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ “‘ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ፥ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ።</verse>
				<verse number="22">ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።</verse>
				<verse number="23">በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="24">ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።</verse>
				<verse number="25">“እዝ ዅሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና፥ ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ብዛዕባ ኣብ፥ ብግልፂ ኽነግረኩም እምበር።</verse>
				<verse number="26">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን።</verse>
				<verse number="27">ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኹ፥ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን፥ ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="28">ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”</verse>
				<verse number="29">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ፥ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="30">ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፥ ሓደኳ ኽጥይቐካ ኸም ዘየድልየካ ሕዚ ፈሊጥና፤ በዙይ ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኻ ኣሚንና ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="31">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሕዚዶ ኣሚንኩም?</verse>
				<verse number="32">እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="33">በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤</verse>
				<verse number="2">ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦም፥ ንእኡ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኢኻሞ።</verse>
				<verse number="3">ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈፂመ፥ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ፤</verse>
				<verse number="5">ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፥ ስምካ ገለፅኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዅሉ ዝሃብካኒ፥ ካባኻ ምዃኑ ሕዚ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ።</verse>
				<verse number="10">ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ግና ናባኻ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ፥ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም።</verse>
				<verse number="15">ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="16">ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።</verse>
				<verse number="17">በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ከምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">“ምእንቲ እቶም ብቓሎም፥ ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር፥ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ።</verse>
				<verse number="21">ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን፥ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ኦ ፃድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠካን፤ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="26">እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።</verse>
				<verse number="2">ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ኣብኣ ብዙሕ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ፥ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ይሁዳ፥ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን፥ ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን፥ መሪሑ መፀ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣፅዋርን ሒዞም ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ዝመፆ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ፥ ናብኣቶም ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እናድሐርሐሩ ናብ ምድሪ ወደቑ።</verse>
				<verse number="7">መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በልዎ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም፥ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ፥ ሰይፉ መዚዙ፥ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረፆ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።</verse>
				<verse number="13">ሃና፥ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="14">ቀያፋ ኸዓ እቲ “ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተ ሞተ ይሐይሽ” ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ስምኦን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን፥ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ።</verse>
				<verse number="16">ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ፥ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ፥ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻ ኻብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን?” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን!” በለ።</verse>
				<verse number="18">ቍሪ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን፥ ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።</verse>
				<verse number="19">ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።</verse>
				<verse number="21">ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም፥ ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።”</verse>
				<verse number="22">እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ “ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ?” ኢሉ ንኢየሱስ ገፁ ፀፍዖ።</verse>
				<verse number="23">ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="25">ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ፥ ካልኦት ሰባት “ንስኻ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ?” በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ።</verse>
				<verse number="26">ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት፥ ናይቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን?” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ በጊዕ ፋሲካ ኽበልዑ፥ ከይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።</verse>
				<verse number="29">ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንምንታይ ኢኹም እትኸስዎ ዘለኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="31">ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ወሲድኩም፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩም ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ፥ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ፥ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="33">ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ፀዊዑ ኸዓ “ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዲኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ኢየሱስ ድማ “እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ኻብ ባዕልኻ ዲኻ፥ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም?” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="35">ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም፥ ናባይ ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="36">ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="37">ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመፃእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ፥ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="38">ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።</verse>
				<verse number="39">እንተ ኾነ፥ ንኣኻትኩም በብፋሲካ፥ ሓደ እሱር ክፈትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ ዝነበረ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ።</verse>
				<verse number="3">ናብኡ እናመፁ ኸዓ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ” እናበሉ ገፁ ይፀፍዕዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="4">ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="8">ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ።</verse>
				<verse number="9">መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን።</verse>
				<verse number="10">ጲላጦስ ከዓ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን፥ ስልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="12">ድሕሪዙይ ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና “ነዙይ እንተ ፈቲሕኻዮ፥ ፈታዊ ቄሳር ኣይኮንካን። ኵሉ ንባዕሉ ንጉስ ዝገብር፥ ተቐናቓኒ ቄሳር እዩ” ኢሎም ጫው ጫው በሉ።</verse>
				<verse number="13">ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝበሃል ፀፍፀፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="14">ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም።</verse>
				<verse number="15">ሽዑ ንሳቶም “ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ!” እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ “ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ።</verse>
				<verse number="17">መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።</verse>
				<verse number="18">ኣብኡውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ኸዓ ኽልተ [ሸፋቱ] ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ።</verse>
				<verse number="19">ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ።</verse>
				<verse number="20">እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ስፍራ፥ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፥ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ፅሑፍ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪክን ዝተፅሓፈ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ ደኣ እምበር፥ ‘ንጉስ ኣይሁድ እዩ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ” በልዎ።</verse>
				<verse number="22">ጲላጦስ ከዓ “ዝፀሓፍኩ ፅሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="23">እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሓደ ምእንቲ ኽበፅሖም፥ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፥ ስፋይ ኣይነበሮን።</verse>
				<verse number="24">ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከዓ፥ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን፥ ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ።</verse>
				<verse number="26">ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ።</verse>
				<verse number="28">ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ።</verse>
				<verse number="29">ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።</verse>
				<verse number="31">ድሕሪዙይ፥ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ፥ ክብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ፥ መምሕዅልቶም ሰቢሮም ንኸውርድዎም፥ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ እቶም ወታደራት መፂኦም፥ ምሕዅልቲ እቲ ቐዳማይን፥ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።</verse>
				<verse number="33">ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን።</verse>
				<verse number="34">ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="36">እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="37">ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="38">ድሕሪዙይ፥ ንኣይሁድ ብምፍራሕ፥ ብሕቡእ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝነበረ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ንኽህቦ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደሉ፤ ንሱውን ከይዱ ነቲ ስጋ ኢየሱስ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="39">እቲ ቕድም ብለይቲ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም ዝኣክል ከርበ ምስ ሽቱ ዝተሓዋወሰ ሒዙ መፀ።</verse>
				<verse number="40">ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ፥ ከምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ፥ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።</verse>
				<verse number="41">ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቐለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ፥ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።</verse>
				<verse number="42">እቲ ዕለት በዓል ምድላው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ማርያም መግደላዊት፥ ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መፀት። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን፥ ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መፂኣ “ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን” በለቶም።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም፥ ናብቲ መቓብር ከዱ።</verse>
				<verse number="4">ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ፥ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ፥ ኣብቲ መቓብር በፅሐ።</verse>
				<verse number="5">ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ደድሕሪኡ መፂኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፥ ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበፅሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ “ካብ ሙታን ክትስእ ይግብኦ እዩ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት፥ ናብ ገዛኦም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="11">ማርያም ግና፥ ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ፥ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት።</verse>
				<verse number="12">ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ?” በልዋ፤ ንሳ ድማ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን” በለቶም።</verse>
				<verse number="14">እዙይ ኢላ ንድሕሪኣ ግልፅ በለት እሞ፥ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን።</verse>
				<verse number="15">ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ?” በላ፤ ንሳ ድማ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ፥ “ጐይታይ፥ ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ዄንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ፥ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ።</verse>
				<verse number="16">ኢየሱስ ድማ “ማርያም” በላ። ንሳውን ግልፅ ኢላ ብዕብራይስጢ “ረቡኒ!” በለቶ፤ ትርጕሙውን “መምህር” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ።</verse>
				<verse number="18">ማርያም መግደላዊት ድማ፥ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን፥ እዙይውን ከም ዝበላን፥ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም።</verse>
				<verse number="19">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መፂኡ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="20">እዙይ ምስ በሎም ከዓ፥ ኣእዳዉን ጐኑን ኣርኣዮም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን፥ ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ!</verse>
				<verse number="23">ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፥ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና፥ ኣይሕደገሎምን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="24">ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት፥ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና፥ ኢየሱስ ክመፅእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="25">እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ “ንጐይታ ሪኢናዮ” በልዎ፤ ቶማስ ግና “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረአኹ፥ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፥ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ፥ ኣይኣምንን እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="26">ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ድሕሪዙይ ንቶማስ፥ “ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምፅእ፤ ኣእዳወይውን ረአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምፅእ እሞ፥ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር፥ ዘይኣማኒ ኣይትኹን” በሎ።</verse>
				<verse number="28">ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ኢየሱስ ድማ ንቶማስ “ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ፥ ብፁኣን እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ኢየሱስ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘይተፅሓፈ፥ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።</verse>
				<verse number="31">ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለፀሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም።</verse>
				<verse number="2">ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን።</verse>
				<verse number="4">ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ “ደቀይ፥ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ “ጐይታ እኮ እዩ” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና፥ ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ ብጃልባ መፁ።</verse>
				<verse number="9">ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ ዝነበሮ ጓህርን፥ ዝተሰርዐ እንጀራን ረአዩ።</verse>
				<verse number="10">ኢየሱስ ከዓ ኻብዝ ሕዚ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምፅኡ በሎም።</verse>
				<verse number="11">ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ፥ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝሓቱ ኽሳዕ ክንድዙይ ዝኣክል እንተ ኾነኳ፥ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ድማ “ንዑ ብልዑ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፥ ካብኣቶም ሓደኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="13">ኢየሱስ መፂኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሳውን ከምኡ።</verse>
				<verse number="14">ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።</verse>
				<verse number="16">ንካልኣይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤</verse>
				<verse number="18">ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ንእግዚኣብሄር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ፥ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="20">ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ኢየሱስ ከዓ “ክሳዕ ዝመፅእ ኽፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን።</verse>
				<verse number="24">እቲ ብዛዕባዙይ ዝመስከረን ዝፀሓፈን፥ እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ። እቲ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ድማ፥ ንሕና ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="25">ኢየሱስ ዝገበሮ ኻልእ ብዙሕ ነገራትውን ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተፅሒፉ እንተ ዝኸውንስ፥ ነቲ ዝፀሓፍ መፃሕፍቲ፥ ዓለም ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="44">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኦ ቴዎፍሎስ፥ ኣብቲ ቐዳማይ ፅሑፈይ፥ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ሒዙ፥ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓረዮም ሃዋርያት ኣዚዙ፥ ክሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ዝገበሮን ዝመሃሮን ፅሒፈልካ ነይረ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም።</verse>
				<verse number="4">ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ።</verse>
				<verse number="5">ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="6">ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ “ጐይታ፥ ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ፥ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ?” ኢሎም ጠየቕዎ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን።</verse>
				<verse number="8">መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥</verse>
				<verse number="11">“ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።</verse>
				<verse number="12">ብድሕሪዙይ ሃዋርያት፥ ካብ ደብረ ዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም መንገዲ ሰንበት ዝኣክል ይርሕቕ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም ኵሎም፥ ምስ ገሊኣተን ኣንስትን፥ ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን፥ ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም፥ ፀሎት የዘውትሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦</verse>
				<verse number="16">“ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ቃል መፅሓፍ፥ ክፍፀም ይግባእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ሕዚ ግና፥ እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ፥ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኵሉ ኣምዑቱ ድማ ተዘርገፈ።</verse>
				<verse number="19">እዝ ነገርዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኣቶም ኣኬልዳማ፥ ማለት ግራት ደም፥ ኢሎም ሰመይዎ።</verse>
				<verse number="20">ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር፦ ‘ገዛኡ ትዕኖ፤ ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ’ ከምኡውን ‘ንሽመቱ ካልእ ይውሰዳ’ ዝብል፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="21">“ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ፥ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት ካብኣቶም ሓደ፥ ስለ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ።”</verse>
				<verse number="22"></verse>
				<verse number="23">ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን፥ ማትያስን ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ።</verse>
				<verse number="25"></verse>
				<verse number="26">ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ፥ ከዓ ንማትያስ በፅሐት፤ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ተቘፀረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፥ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል ጰንጠቆስጤ፥ ዅላቶም ሓቢሮም እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="2">ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ።</verse>
				<verse number="3">ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="4">ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣህዛብ ዝመፁ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ኣይሁድ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ።</verse>
				<verse number="6">እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="7">ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="8">ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና?</verse>
				<verse number="9">ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥</verse>
				<verse number="10">ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥</verse>
				<verse number="11">ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ።</verse>
				<verse number="12">ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="13">ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="16">እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦</verse>
				<verse number="17">‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።</verse>
				<verse number="18">እወ፥ በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት እቲኣተን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ፥ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ድማ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸዓ፥ ምልክት ደምን ሓዊን ጣቓን ክገብር እየ።</verse>
				<verse number="20">እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።</verse>
				<verse number="21">ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’</verse>
				<verse number="22">“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።</verse>
				<verse number="23">ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።</verse>
				<verse number="24">ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="25">ዳዊትውን ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ፤ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወፅን እየ፤</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤ ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።</verse>
				<verse number="27">ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤ ንቕዱስካ ድማ፥ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።</verse>
				<verse number="28">ንስኻ መንገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፤ ምሳይ ብምህላውካ ድማ፥ ብታሕጓስ ክተፅግበኒ ኢኻ።’</verse>
				<verse number="29">“ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="30">ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ።</verse>
				<verse number="31">ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፥ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ፥ ኣቐዲሙ ፈሊጡ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ።</verse>
				<verse number="32">እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና።</verse>
				<verse number="33">ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="34">ዳዊት ባዕሉ ደኣ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ ይብል እምበር፥ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።”</verse>
				<verse number="37">ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።</verse>
				<verse number="38">ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="39">እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="40">ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም።</verse>
				<verse number="41">እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም።</verse>
				<verse number="42">ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።</verse>
				<verse number="43">ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ድማ፥ ብኢድ ሃዋርያት ይግበር ነበረ፤ ኣብ ኵሎም ከዓ ፍርሓት ኮነ።</verse>
				<verse number="44">እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤</verse>
				<verse number="45">ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="46">በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤</verse>
				<verse number="47">ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ፀሎት፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም።</verse>
				<verse number="4">ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።</verse>
				<verse number="6">ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ።</verse>
				<verse number="8">ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።</verse>
				<verse number="9">ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።</verse>
				<verse number="12">ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="13">ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ፃድቕን ክሒድኩም፥ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኽፍትሐልኩም፥ ለመንኩም።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና።</verse>
				<verse number="16">ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።</verse>
				<verse number="17">ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥</verse>
				<verse number="20">ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝሓረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም፥ ተነስሁን ተመለሱን።</verse>
				<verse number="21">ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።</verse>
				<verse number="22">ሙሴውን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተስአኒ፥ ካብ ኣሕዋትኩም ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ኵሉ እቲ ንሱ ዝብለኩም ከዓ ስምዕዎ።</verse>
				<verse number="23">እንሆ ዅላ እታ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ’ በለ።</verse>
				<verse number="24">ኵላቶም ነቢያት፥ ካብ ሳሙኤል ጀሚሮም፥ ክሳዕ እቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን እዮም ዝተናገሩ።</verse>
				<verse number="25">ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም።</verse>
				<verse number="26">እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፥ ብኢየሱስውን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተናደዱ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይውን ሓዝዎም፤ መስዩ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕደርዎም።</verse>
				<verse number="4">እንተ ኾነ፥ ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ፥ ብዙሓት ኣመኑ። ብዝሒ እቶም ዝኣመኑ ሰብኡት ከዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ።</verse>
				<verse number="5">ንፅባሒቱ ድማ መኳንንቶምን ሽማግለታቶምን መምህራን ሕግን፥ ምስ ሃና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን፥ ኵሎም ወገን ሊቃነ ካህናትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።</verse>
				<verse number="8">ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥</verse>
				<verse number="9">ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና፥ ንሓደ ሕሙም ሰብ ብዛዕባ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገርን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተ ኾይኑ፥</verse>
				<verse number="10">እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።</verse>
				<verse number="11">ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፥ ግና ርእሲ መኣዝን ዝኾነ እምኒ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”</verse>
				<verse number="13">ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።</verse>
				<verse number="14">እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፥ ዝዛረብዎ ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ካብቲ መጋባእያ ድሕር ከብልዎም ኣዘዙ። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦</verse>
				<verse number="16">“ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?</verse>
				<verse number="17">ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ገኒኑ ኸይውረ፥ ደጊም ብስም ኢየሱስ፥ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብፅኑዕ ነጠንቅቆም” በሉ።</verse>
				<verse number="18">ፀዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ፥ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="19">ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።</verse>
				<verse number="20">ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ፥ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም፥ ዘቕፅዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም፥ መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም።</verse>
				<verse number="22">እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፥ ናብቶም ኣሕዋት ከይዶም፥ ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዅሉ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="24">ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ!</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ‘ስለ ምንታይ ኣህዛብ ተቘጥዑ፤ ህዝብኸ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ?</verse>
				<verse number="26">ነገስታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንትኸ፥ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሑን፥ ክፃረሩ ብሓደ ተኣከቡ’ ዝበልካዮ</verse>
				<verse number="27">ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።</verse>
				<verse number="28">እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="29">ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።</verse>
				<verse number="30">ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥</verse>
				<verse number="31">እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="32">እቶም ዝኣመኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ንብረቶም ብምሉኡ ናይ ሓባር ደኣ ነበረ እምበር፥ ካብኣቶም ሓደኳ እዙይ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="33">ሃዋርያት ከዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፤ ኣብ ኵሎም ድማ ዓብዪ ሞገስ ነበረ።</verse>
				<verse number="34">ኵላቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም፥ ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣምፂኦም፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ ነበሩ። ንሳቶምውን ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከምዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ። ስለዙይ ሓደ እኳ፥ ዝሽግሮ ሰብ ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="37">ንሱ ነቲ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ፥ ነቲ ገንዘብ ኣምፂኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ፥ ሰጲራ ምስ እትበሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ።</verse>
				<verse number="2">ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።</verse>
				<verse number="3">ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ?</verse>
				<verse number="4">እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።”</verse>
				<verse number="5">ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።</verse>
				<verse number="6">ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።</verse>
				<verse number="7">ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፥ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት።</verse>
				<verse number="8">ጴጥሮስ ከዓ፥ “እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ?” ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ “እወ፥ ብኽንድኡ እዩ” በለቶ።</verse>
				<verse number="9">ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።</verse>
				<verse number="12">ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ብኢድ ሃዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተገብረ፤ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ህዝቢ የመና የኽብሮም እንተ ነበረ እኳ፥ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="14">ካብ ቅድም ብዝበለፀ፥ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ፥ ናብኣቶም ይውሰኹ ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="16">ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሒዞም ይመፁ ነበሩ። ኵሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ።</verse>
				<verse number="18">ንሃዋርያት ሒዞም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።</verse>
				<verse number="19">መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና፥ ብለይቲ ነቲ ማዕፆ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፥</verse>
				<verse number="20">“ኪዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፥ ነዝ ናይ ህይወት ቃል እዙይ፥ ንህዝቢ ንገሩ” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።</verse>
				<verse number="22">እቶም ሓሻኽር ግና፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦</verse>
				<verse number="23">“እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓፅዩ፥ እቲ ማዕፆ ድማ ብፅኑዕ ተሸጕሩ፥ እቶም ሓለውቲ እውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ፀኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና፥ ሓደኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም።</verse>
				<verse number="24">እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="25">ሓደ መፂኡ ግና፥ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኒሀዉ፥ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም።</verse>
				<verse number="26">ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ምስ ኣምፅእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ፥</verse>
				<verse number="28">“ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።</verse>
				<verse number="29">ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="31">ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።</verse>
				<verse number="32">ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።</verse>
				<verse number="34">እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="35">ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር፥ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="36">ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።</verse>
				<verse number="37">ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ።</verse>
				<verse number="38">ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን፥ እዝ ግብሪ እዙይን፥ ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ።</verse>
				<verse number="39">ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።”</verse>
				<verse number="40">ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።</verse>
				<verse number="41">ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።</verse>
				<verse number="42">በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">በቲ እዋን እቱይ፥ ደቀ መዛሙርት ብቝፅሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ፥ እቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ፥ እተን ናታቶም መበለታት፥ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ይሁዳ ዕብራውያን ኣጕረምረሙ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም፥ “ንሕና ማእዲ ኽንሰርዕ ክንብል፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስባኽ ክንሓድግ ኣይግብአናን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤</verse>
				<verse number="4">ንሕና ግና ኣብ ፀሎትን፥ ኣብ ምምሃር ቃሉን፥ ክንተግህ ኢና” በልዎም።</verse>
				<verse number="5">እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ።</verse>
				<verse number="6">ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።</verse>
				<verse number="7">ቃል እግዚኣብሄር ድማ እናሰፍሐን እናተባፅሐን ከደ፤ ቍፅሪ እቶም ደቀ መዛሙርትውን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም የመና እናበዝሐ ኸደ፤ ካብ ካህናትውን ብዙሓት ኣመኑ።</verse>
				<verse number="8">እስጢፋኖስ ድማ ፀጋን ሓይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ፥ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ እትበሃል ቤተ ፀሎትን፥ ሰብ ቀሬናዎንን፥ ሰብ እስክንድርያን፥ ሰብ ኪልቅያን እስያን ግና፥ ተልዒሎም ንእስጢፋኖስ ይከራኸርዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኽረትዕዎ ኣይከኣሉን።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ “እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን፥ እንትፃረፍ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ ሰባት ሓባበሉ።</verse>
				<verse number="12">በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="13">“እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ምፅራፍ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተስኡሉ።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ‘ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊ እውን ክልውጦ እዩ’ ኽብል እንተሎ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ መሰኻኽር ኣቖሙ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ “እዝ ነገር ከምዙይ ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥</verse>
				<verse number="3">‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ እውን ኪድ’ በሎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ፥ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብኡ፥ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="5">ኣብኣ ኽንዲ መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተ ኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡ፥ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝህቦ ተስፋ ሃቦ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ‘ዘርእኻ ኣብ ካልእ ሃገር ስደተኛታት ክኾኑ እዮም፤ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከዓ፥ ከም ባርያ ኽገፍዕዎምን ከሳቕይዎምን እዮም።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’</verse>
				<verse number="8">ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል።</verse>
				<verse number="9">“እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ነገድ እስራኤል ድማ፥ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ፥ ናብ ግብፂ ሸጥዎ፤ እግዚኣብሄር ግና ምስኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኵሉ ግብፅን ከነዓንን ከዓ፥ ጥሜትን ብዙሕ መከራን ኮነ፤ ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ያእቆብ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፥ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ካልኣይ መንገዶም ከዓ፥ ዮሴፍ ነሕዋቱ መንነቱ ገለፀሎም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈለጠ።</verse>
				<verse number="14">ዮሴፍ ድማ፥ ነቦኡ ያእቆብን፥ ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ዝኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን፥ ልኢኹ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="15">ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ።</verse>
				<verse number="16">ናብ ሴኬምውን ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎም።</verse>
				<verse number="17">“እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ ምስ ቀረበ፥ ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉስ ክሳዕ ዝነግስ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብፂ እናወሰኸን እናበዝሐን ከደ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።</verse>
				<verse number="20">ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="21">ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።</verse>
				<verse number="22">ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።</verse>
				<verse number="23">“ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ፥ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክሪኦም ብልቡ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="24">ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ እንትግፋዕ ምስ ረአየ፥ ዘርዩ ነቲ ግብፃዊ ብምቕታል ሕነ ፈደየሉ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር፥ ብኢዱ ገይሩ ኸድሕኖም ከም ዝደለየ፥ ኣሕዋቱ ዝፈልጡ መሲልዎ ነበረ፤ እንተ ኾነ ንሳቶም ኣይተረድኡን።</verse>
				<verse number="26">ንፅባሒቱ ኽልተ ኻብቶም ኣሕዋቱ፥ ክበኣሱ እንተለዉ ረኸቦም፤ ከተዓርቖም ደልዩ ኸዓ ‘ኣቱም ሰባት፥ ንስኻትኩምስ ኣሕዋት ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትበኣሱ?’ በሎም።</verse>
				<verse number="27">እቲ ንብፃዩ ዝዕምፆ ዝነበረ ግና፦ ‘ንኣኻ፥ ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን ሸመካ?</verse>
				<verse number="28">ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ንኣይውን ክትቀትለኒዶ ደሊኻ?’ በሎ።</verse>
				<verse number="29">ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።</verse>
				<verse number="30">“ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዝነድድ ቈጥቋጥ ተርኣዮ።</verse>
				<verse number="31">ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦</verse>
				<verse number="32">‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን እየ’ ዝብል ድምፂ እግዚኣብሄር ሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፤ ክጥምት ከዓ ኣይደፈረን።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ።</verse>
				<verse number="34">ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ፥ ናብ ግብፂ ኽልእኸካ እየ’ በሎ።</verse>
				<verse number="35">“ነዝ ኣባና ‘ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን እዩ ዝሸመካ?’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ፥ ንእኡ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቈጥቋጥ ብዝተርኣዮ መልኣኽ ገይሩ፥ ሓለቓን መውፅኢ ሓራን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ።</verse>
				<verse number="36">ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።”</verse>
				<verse number="37">“እዝ ሙሴ እዙይ እዩ፥ ንደቂ እስራኤል ‘ከምቲ ንኣይ ዘተስአ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣሕዋትኩም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ’ ዝበሎም።</verse>
				<verse number="38">ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማሕበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን፥ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኸመሓላልፎ ድማ፥ ናይ ህይወት ቃል ዝተቐበለ፥ ንሱ ሙሴ እዩ።</verse>
				<verse number="39">ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፥ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፤ ብልቦምውን ናብ ግብፂ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="40">ንኣሮን ድማ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዘይንፈልጥ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ።</verse>
				<verse number="41">በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም።</verse>
				<verse number="42">እግዚኣብሄር ግና ኻብኣቶም ረሓቐ፤ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ከምልኹ ኸዓ ሓደጎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢያት ዝተፅሓፈ፦ ‘ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ምድረ በዳ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ሕሩድ ኮነ መስዋእትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ?</verse>
				<verse number="43">ንስኻትኩም ነቶም ክተምልኽዎም ኢልኩም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን ሞሎኽን ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም፥ ምሳኻትኩም ዝተማላእኹም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ባቢሎን ንንየው፥ ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።’</verse>
				<verse number="44">“ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ፥ ናይ ምስክር ድንኳን ነበረቶም፤ ንሳ ኸዓ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ከምታ ዝረአያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።</verse>
				<verse number="45">ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።</verse>
				<verse number="46">ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን መሕደሪ ኽሰርሕ ከዓ ለመነ።</verse>
				<verse number="47">ቤት ዝሃነፀሉ ግና ሰሎሞን እዩ።</verse>
				<verse number="48">ከምቲ ነቢይ፦ ‘ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ፤ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሃንፁለይ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ከመይ ዝበለ ስፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ? ነዝ ዅሉ ነገራትስ ኢደይዶ ኣይኮነን ዝገበሮ?’ ዝበሎ፥ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ ቤት ኣይነብርን እዩ።</verse>
				<verse number="49"></verse>
				<verse number="50"></verse>
				<verse number="51">“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="52">ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።</verse>
				<verse number="53">ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ፥ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፤ እንተ ኾነ ኣይሓለኹምዎን።”</verse>
				<verse number="54">ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።</verse>
				<verse number="55">ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን ረአየ።</verse>
				<verse number="56">ሽዑ “እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፥ ወዲ ሰብ ድማ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙ እርኢ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="57">ንሳቶምውን ዓው ኢሎም ድምፂ እናስምዑ፥ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም ናብኡ ጐየዩ።</verse>
				<verse number="58">ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ።</verse>
				<verse number="59">ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።</verse>
				<verse number="60">ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።</verse>
				<verse number="2">ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።</verse>
				<verse number="3">ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ፥ ቃል ወንጌል ሰበኹ።</verse>
				<verse number="5">ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።</verse>
				<verse number="6">እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፥ ምስ ሰምዑን ምስ ረአዩን ድማ፥ ብሓደ ልቢ ነቲ ዝናገሮ ኣቕለቡ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ብዙሓት ሰባት፥ ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩ፤ ብዙሓት መፃጕዓትን ሓንካሳትንውን ይሓውዩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።</verse>
				<verse number="9">ኣብታ ኸተማ፥ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቍልናኡን ብዘረባኡን፥ ንባዕሉ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="11">ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ።</verse>
				<verse number="13">ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍፀም ምስ ረአየውን ተገረመ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ድማ ወሪዶም፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ፀለዩሎም።</verse>
				<verse number="16">ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም፥ ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ።</verse>
				<verse number="17">ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="18">ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦</verse>
				<verse number="19">“እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበልስ፥ ንኣይውን እዝ ስልጣን እዙይ ሃቡኒ” በሎም።</verse>
				<verse number="20">ጴጥሮስ ግና “ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤</verse>
				<verse number="21">ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን።</verse>
				<verse number="22">እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን።</verse>
				<verse number="23">ኣብ መሪር ሕንዚ ቕንእን፥ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ከም ዘለኻ እሪአካ ኣለኹሞ” በሎ።</verse>
				<verse number="24">ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስ መሃሩን፥ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ፥ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="26">መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="27">ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ፥ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።</verse>
				<verse number="29">መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ “ነዝ ሰረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ።</verse>
				<verse number="30">ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ፤ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ፥ “ነዝ እተንብቦ ዘለኻስ፥ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="31">ንሱ ድማ “ዝምህረኒ ዘይብለይ፥ ከመይ ገይረ ኸስተውዕሎ” በሎ፤ ንፊልጶስ ከዓ ደዪቡ ምስኡ ኽቕመጥ ለመኖ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤</verse>
				<verse number="33">ኣብ ጊዜ ውርደቱ፥ ፍትሒ ሰኣነ፤ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ስለ ዝተወሰደት፥ ብዛዕባ ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ።</verse>
				<verse number="34">እቲ ስሉብ ከዓ፥ መሊሱ ንፊልጶስ “እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዙይ ዝብል ዘሎ? ብዛዕባ ርእሱ ድዩ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="35">ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ።</verse>
				<verse number="36">ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” በሎ።</verse>
				<verse number="37">ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="38">ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኦም፥ ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን።</verse>
				<verse number="39">ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ።</verse>
				<verse number="40">ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።</verse>
				<verse number="2">ዝኾነ ይኹን፥ ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ፥ እናኣሰረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእሎ፥ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ዝበፅሕ፥ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ።</verse>
				<verse number="3">ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ፥ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንፀባረቐ።</verse>
				<verse number="4">ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።</verse>
				<verse number="5">ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ።</verse>
				<verse number="8">ሳውል ድማ ኻብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ፤ እንተ ኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="9">እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ፥ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ሓደ ሓናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሓናንያ” ኢሉ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።</verse>
				<verse number="11">ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ፥ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትፅዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይፅሊ ኣሎ እሞ፥ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤</verse>
				<verse number="12">ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ፥ ኣዒንቱ ኸም ዝሪኣ፥ ብራእይ ተገሊፁሉ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="15">ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="17">ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ እሞ ረአየ፤ ተሲኡውን ተጠመቐ።</verse>
				<verse number="19">ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት፥ ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="20">ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="22">ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ።</verse>
				<verse number="23">ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ነቲ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ።</verse>
				<verse number="25">እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ።</verse>
				<verse number="26">ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርት ክሕወስ ፈተነ፤ ንሳቶም ግና፥ ደቀ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑ ዅላቶም ፈርሕዎ።</verse>
				<verse number="27">በርናባስ ግና፥ ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምፅኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን፥ ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ፥ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፥ ምስኣቶም ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ምስቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ ድማ፥ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።</verse>
				<verse number="32">ጴጥሮስ ኣብ ኵሉ ኽዘውር እንተሎ፥ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ።</verse>
				<verse number="33">ኣብኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ።</verse>
				<verse number="34">ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተስአ።</verse>
				<verse number="35">ኵሎም ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ከዓ፥ ንእኡ ሪኦም ናብ ጐይታ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="36">ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት።</verse>
				<verse number="37">በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ።</verse>
				<verse number="38">ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="39">ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ጴጥሮስ ንዅሎም ንደገ ኣውፂኡ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቘላሕ ኢሉ ኸዓ “ጣቢታ፥ ተስኢ” በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሲኣውን ኮፍ በለት።</verse>
				<verse number="41">ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም።</verse>
				<verse number="42">እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ።</verse>
				<verse number="43">ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣብ ቂሳርያ “ኢጣልያዊ ጭፍራ” ንዝበሃል ክፍሊ ሰራዊት ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ፥ ቆርኔሌዎስ ዝተብሃለ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ።</verse>
				<verse number="4">ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ምስቲ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ገዛኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፥ ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ፥ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ፥ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ፥ ሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀውዐ እሞ፥</verse>
				<verse number="8">ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ፥ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም።</verse>
				<verse number="9">ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ።</verse>
				<verse number="12">ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ “ጴጥሮስ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምፂ መፆ።</verse>
				<verse number="14">ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” በለ።</verse>
				<verse number="15">መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ።</verse>
				<verse number="16">እዝ ነገር እዙይ ሰለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ።</verse>
				<verse number="17">ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።</verse>
				<verse number="18">ፀዊዖም ድማ፥ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ጋሻ፥ ኣብኡ እንተ ሃልዩ ጠየቑ።</verse>
				<verse number="19">ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ “እንሆ ሰለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤</verse>
				<verse number="20">ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ።</verse>
				<verse number="21">ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፥ “እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መፃእኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">ሽዑ ጴጥሮስ ተቐቢሉ፥ ኣብ ገዛ ኣሕደሮም። ብፅባሒቱ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ፥ ውሑዳት ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ።</verse>
				<verse number="24">ብፅባሒቱ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ፥ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ፥ ይፅበዮም ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ።</verse>
				<verse number="26">ጴጥሮስ ግና “ተስእ፤ ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ” እናበለ ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="27">ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ረኸበ።</verse>
				<verse number="28">“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ።</verse>
				<verse number="29">ምእንቲ እዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ሰጋእ እንተይበልኩ መፂአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ፥ ንምንታይ ኢኹም ዝፀዋዕኹምኒ?” በሎም።</verse>
				<verse number="30">ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥</verse>
				<verse number="31">‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት፥ እንዳ እቲ ቘርበት ዘልፍዕ ስምኦን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መፀ ኽነግረካ እዩ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ኣብዙይ እኒሀና” በሎ።</verse>
				<verse number="34">ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።</verse>
				<verse number="35"></verse>
				<verse number="36">እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤</verse>
				<verse number="37">እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር፥ ትፈልጥዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="38">እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="39">ንሕና ኸዓ፥ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።</verse>
				<verse number="40">እግዚኣብሄር ግና፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተስኦ፤ ብገሃድ ንኽግለፅውን ሃቦ።</verse>
				<verse number="41">ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና።</verse>
				<verse number="42">እግዚኣብሄር ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ፥ ንሱ ምዃኑ፥ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።</verse>
				<verse number="43">ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም።</verse>
				<verse number="44">ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።</verse>
				<verse number="45">እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝኾኑ፥ ምስ ጴጥሮስ ዝመፁ ኣመንቲ፥ እቶም ኣህዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ንኣህዛብ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ።</verse>
				<verse number="46"></verse>
				<verse number="47">ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ?” በለ።</verse>
				<verse number="48">ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድሕሪዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፥ ኣህዛብ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ሰምዑ።</verse>
				<verse number="2">ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ “ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ፥ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ” ኢሎም ነቐፍዎ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ጴጥሮስ ድማ፥ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦</verse>
				<verse number="5">“ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽፅሊ እንተለኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ፥ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል፥ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መፀ።</verse>
				<verse number="6">ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን፥ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።</verse>
				<verse number="7">‘ጴጥሮስ፥ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ’ ዝብለኒ ድምፂ ኸዓ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ግና ‘ጐይታይ፥ ርኹስ ወይ ዘፀይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ኣይኸውንን’ በልኩ።</verse>
				<verse number="9">ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ ንስኻ ኣይተርክሶ’ ዝብል ድምፂ፥ ካብ ሰማይ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="10">እዝ ነገርዙይ ሰለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ፥ ኵሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ ኸዓ ሽዑ፥ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፥ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዝነበርክዋ ገዛ ደው ኢሎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">መንፈስ ቅዱስ ከዓ፥ እንተይተጠራጠርኩ ምስኣቶም ክኸይድ ነገረኒ፤ እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፤ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስውን ኣተና።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ኸዓ፥ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፥ ‘ናብ ኢዮጴ ለኣኽ እሞ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀዊዕኻ ኣምፅኣዮ፤ ንስኻን ኵሉ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፥ ንሱ ኽነግረካ እዩ’ ኽብሎ እንተሎ ኸም ዝረአየ ነገረና።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ድማ፥ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብኣቶምውን ወረደ።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ነቲ ‘ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከርኩ።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና፥ ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ኻብ ሃቦም፥ ንእግዚኣብሄር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ!” በለ።</verse>
				<verse number="18">ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበፅሐ መከራ፥ ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ክሳዕ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንፆኪያን ከዱ፤ ነቲ ቓል ድማ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንሓደኳ ኣይነግሩን ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንፆኪያ መፂኦም፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="21">ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="22">እዝ ወረ እዙይ ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰምዐ፤ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንፆኪያ ለኣኽዎ።</verse>
				<verse number="23">ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።</verse>
				<verse number="24">ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ።</verse>
				<verse number="25">በርናባስ ካብኡ ወፂኡ፥ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።</verse>
				<verse number="26">ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ።</verse>
				<verse number="27">በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ።</verse>
				<verse number="28">ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ።</verse>
				<verse number="29">ስለዙይ እቶም ደቀ መዛሙርት፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፥ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ረድኤት ክሰዱሎም መደቡ።</verse>
				<verse number="30">ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት ሰደድዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ሄሮድስ፥ ንገሊኣቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ከሳቕዮም ጀመረ።</verse>
				<verse number="2">ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከዓ፥ ብሰይፊ ቐተሎ።</verse>
				<verse number="3">እዙይ ንኣይሁድ ከም ዘሐጐሶም ምስ ረአየ ድማ፥ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ሓዞ፤ ሽዑ ድማ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ምስ ሓዞ ኸዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ድሕሪ ፋሲካ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ኸውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ፥ ነርባዕተ ምድብ ወታደራት ኣሕሊፉ ሃቦ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ምእንታኡ ተጊሃ፥ ናብ እግዚኣብሄር ትፅሊ ነበረት።</verse>
				<verse number="6">ሄሮድስ ብፅባሒቱ፥ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኸቕርቦ ሓሰበ። እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ጴጥሮስ፥ ኣብ መንጎ ኽልተ ወታደራት፥ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ወታደራትውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም፥ ይሕልዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጐኑ ነኺኡ “ቐልጢፍካ ተስእ!” በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ፥ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ።</verse>
				<verse number="8">እቲ መልኣኽ ከዓ “ተዓጠቕ! ኣሳእንካውን ኣእቱ!” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ!” በሎ።</verse>
				<verse number="9">ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተ ኾነ ዝሓልም ዘሎ ደኣ ይመስሎ ነበረ እምበር፥ እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ፥ ኣይፈልጥን ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልአይትን ማዕፆ ዝሕልዉ ምስ ሓለፉ፥ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ፥ ማዕፆ ሓፂን በፅሑ፤ ሽዑ ባዕላ ተኸፍተት። ወፂኦም ድማ ሓንቲ መንገዲ ሓለፉ፤ ሽዑ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ሓደጎ።</verse>
				<verse number="11">ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።</verse>
				<verse number="12">ምስ ተፈለጦ፥ ብዙሓት ተኣኪቦም ይፅልዩሉ ናብ ዝነበሩ፥ ናብ ቤት ማርያም እኖ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ከደ።</verse>
				<verse number="13">ጴጥሮስ ነቲ ማዕፆ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሮዳ እትበሃል ኣገልጋሊት ክትሰምዖ ወፀት።</verse>
				<verse number="14">ንሳ ድምፂ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፥ ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ነቲ ማዕፆ እንተይከፈተት፥ ናብ ውሽጢ ጐየየት፤ “ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ” ኢላ ነገረቶም።</verse>
				<verse number="15">ንሳቶም ግና፥ “ዓቢድኪ ዲኺ” በልዋ። ንሳ ግና፥ ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገፀት። ሽዑ “መልኣኹ እዩ ዝኸውን” በሉ።</verse>
				<verse number="16">ጴጥሮስ ግና መላሊሱ ይዅሕኵሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ ረአይዎ እሞ ተገረሙ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።</verse>
				<verse number="18">ምስ ወግሐ እቶም ወታደራት “ጴጥሮስ እንታይ ረኺብዎ?” እናበሉ የመና ተሸበሩ።</verse>
				<verse number="19">ሄሮድስ ድማ፥ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፥ ኣብኣ ቐነየ።</verse>
				<verse number="20">ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ።</verse>
				<verse number="21">በታ ምድብቲ መዓልቲ፥ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ፥ ኣብ ዙፋን ተቐመጠ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ ዘረባ ኣስምዖም።</verse>
				<verse number="22">እቶም ህዝቢ ድማ ዓው ኢሎም “እዙይስ ድምፂ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” በሉ።</verse>
				<verse number="23">ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።</verse>
				<verse number="24">ቃል እግዚኣብሄር ግና እናዓበየን እናሰፍሐን ከደ።</verse>
				<verse number="25">በርናባስን ሳውልን ኣገልግሎቶም ፈፂሞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስውን፥ ምስኣቶም ተማልእዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።</verse>
				<verse number="3">ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ስልማና ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ቃል እግዚኣብሄር መሃሩ፤ ዮሃንስውን ይሕግዞም ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪፆም ኣብ ጳፉ ምስ በፅሑ፥ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ፥ ናይ ሓሰት ነቢይ፥ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="8">ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም።</verse>
				<verse number="9">እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ፥</verse>
				<verse number="10">“ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን?</verse>
				<verse number="11">ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ግና ኻብ ጴርጌን ሓሊፎም፥ ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንፆኪያ መፁ፤ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዮም ተቐመጡ።</verse>
				<verse number="15">ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።</verse>
				<verse number="16">ሽዑ ጳውሎስ ተሲኡ፥ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ እናመልከተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን ስምዑ።</verse>
				<verse number="17">ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።</verse>
				<verse number="18">ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም።</verse>
				<verse number="19">ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።</verse>
				<verse number="20">ድሕሪዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል፥ ንኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ዝኣክል፥ መሳፍንቲ ሸመሎም።</verse>
				<verse number="21">ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም።</verse>
				<verse number="22">እግዚኣብሄር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ፥ ንዳዊት ኣንገሰሎም፤ ‘ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ።</verse>
				<verse number="23">እግዚኣብሄር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድሓኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ።</verse>
				<verse number="24">ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ።</verse>
				<verse number="25">ዮሃንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍፅም፥ ‘ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ፥ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ’ በለ።</verse>
				<verse number="26">“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።</verse>
				<verse number="27">እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና፥ ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ ሰንበት ሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ፥ ምእንቲ ቓል መፃሕፍቲ ኽፍፀም ንሞት ፈረድዎ።</verse>
				<verse number="28">ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እኳ እንተ ዘይረኸቡሉ፥ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="29">ኹሉ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ምስ ፈፀሙ ኸዓ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታን ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="31">ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።</verse>
				<verse number="32">“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="33">ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።</verse>
				<verse number="34">ከምቲ፦ ‘ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ።</verse>
				<verse number="35">ከምኡ ኸዓ ኣብ ካልእ መዝሙር፦ ‘ንቕዱስካ ምብስባስ ክርኢ ኣይትሓድጎን ኢኻ’ ይብል።</verse>
				<verse number="36">ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።</verse>
				<verse number="37">እቲ እግዚኣብሄር ዘተስኦ ግና፥ ምብስባስ ኣይረአየን።</verse>
				<verse number="38">እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።</verse>
				<verse number="39"></verse>
				<verse number="40">ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦ ‘ኣቱም መላገፅቲ ረአዩ፤ ሓደኳ እንተ ነገረኩም፥ ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን፥ ጥፍኡን’ ዝብል፥ ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።”</verse>
				<verse number="41"></verse>
				<verse number="42">ጳውሎስን በርናባስን፥ ካብቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ በታ እትመፅእ ሰንበትውን፥ ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም።</verse>
				<verse number="43">እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።</verse>
				<verse number="44">በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ፥ ዳርጋ ዅሎም ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="45">ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን።</verse>
				<verse number="46">ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።</verse>
				<verse number="47">እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥ ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="48">ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።</verse>
				<verse number="49">ቃል እግዚኣብሄር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በፅሐ።</verse>
				<verse number="50">ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።</verse>
				<verse number="51">ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ።</verse>
				<verse number="52">ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን፥ ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዮም፥ ብዙሓት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ሰበኹ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።</verse>
				<verse number="3">ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ።</verse>
				<verse number="5">ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።</verse>
				<verse number="6">ሃዋርያት ድማ እዙይ ምስ ፈለጡ፥ ናብ ሊቃኦንያ፥ ልስጥራን፥ ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን፥ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ሃገርን ሃደሙ።</verse>
				<verse number="7">ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥</verse>
				<verse number="10">ብዓብዪ ድምፂ፦ “ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል!” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ይመላለስ ነበረ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ።</verse>
				<verse number="12">ንበርናባስ “ድያ” ንጳውሎስ ድማ ዋና ተዛራቢ ስለ ዝነበረ “ሄርሜስ” ኢሎም ሰመይዎም።</verse>
				<verse number="13">ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ፥ ኣብዑርን ጕንጕን ዕምበባን፥ ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምፂኡ፥ ምስቶም ህዝቢ ኾይኑ ኽስውአሎም ደለየ።</verse>
				<verse number="14">እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤</verse>
				<verse number="15">ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="16">ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።</verse>
				<verse number="17">ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”</verse>
				<verse number="18">ነዝ ዅሉ ተዛሪቦም ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኸይስውኡሎም፥ ብግዲ ኣሕደግዎም።</verse>
				<verse number="19">ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ።</verse>
				<verse number="20">እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፤ ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ፥ ናብ ደርቤን ከደ።</verse>
				<verse number="21">ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንፆኪያን ተመለሱ።</verse>
				<verse number="22">“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።</verse>
				<verse number="23">ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ድማ፥ ብፆምን ብፀሎትን፥ ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቘብዎም።</verse>
				<verse number="24">ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጵምፍልያ መፁ።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ።</verse>
				<verse number="26">ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ።</verse>
				<verse number="27">ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።</verse>
				<verse number="28">ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።</verse>
				<verse number="2">ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን፥ ፅልእን ክርክርን ምስ ኮነ፥ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ክኸዱ ተወሰነ።</verse>
				<verse number="3">ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎም።</verse>
				<verse number="5">ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ከዓ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክማኸሩ ተኣከቡ።</verse>
				<verse number="7">ብዙሕ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ጴጥሮስ ተሲኡ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና፥ ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ፥ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም።</verse>
				<verse number="9">ልቦም ብእምነት ስለ ዘንፅሀ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን፥ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።</verse>
				<verse number="10">እምበኣርከስ፥ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት፥ ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን፥ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?</verse>
				<verse number="11">ንሕናውን ከምኣቶም፥ ብፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከም እንድሕን ኢና እነኣምን” በሎም።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያእቆብ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና ስምዑኒ፦</verse>
				<verse number="14">ኣምላኽ፥ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸቕውም፥ ቅድም ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሖም፥ ስምኦን ተናጊሩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">“እዝ ነገር እዙይ፥ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝብሎ፦</verse>
				<verse number="16">‘ብድሕሪዙይ ክምለስ እየ፤ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት፥ ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፥ ነቲ ዑናኣ ኸዓ መሊሰ ኽሓንፆን ከቑሞን እየ፤</verse>
				<verse number="17">እዙይ ከዓ እቶም ዝተረፉ ሰባትን፥ እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተፀውዐ ዅሎም ኣህዛብን፥ ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ ኢለ እየ፤ ይብል ነዙይ ዝገብር ጐይታ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’</verse>
				<verse number="19">“እምበኣርከስ፥ ነቶም ካብ ኣህዛብ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ ዘለዉ፥ ኣይነኽብደሎም።</verse>
				<verse number="20">እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብዝተሰውአ ኸይረኽሱ፥ ካብ ዝሙት፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ደምን፥ ካብ ምብላዕ ተኸልከሉ’ ኢልና ንፅሓፈሎም።</verse>
				<verse number="21">ነዝ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎቶም፥ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝንበብ፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ ዝሰብክዎ ኣለዉ” በሎም።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ።</verse>
				<verse number="23">ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="24">“ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም፥ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ዝወፈዩ፥ በርናባስን ጳውሎስን፥ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንመርፅ ብሓደ ዄንና መኸርና።</verse>
				<verse number="26"></verse>
				<verse number="27">እንሆ ድማ ነዝ ነገር እዙይ፥ ካብ ኣፎም ምእንቲ ኽትሰምዕዎ ንይሁዳን ንሲላስን ሰዲድናልኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="28">እንትርፊ እቲ ዝተገብአ፥ ሕልፊ ሸክሚ ኸይነኽብደልኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስን፥ ንኣናን ተርእዩና ኣሎ።</verse>
				<verse number="29">እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ ደሓን ኩኑ።”</verse>
				<verse number="30">እቶም ልኡኻት ምስ ተፋነዉ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ፤ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ከዓ፥ ነቲ መልእኽቲ ሃብዎም።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ከዓ ምስ ኣንበብዎ፥ በቲ ዘፀናንዕ መልእኽቲ ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="32">ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን።</verse>
				<verse number="33">ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ምስ ቀነዩ ኸዓ፥ እቶም ኣሕዋት ብሰላም ኣፋንዮም፥ ናብ ሃዋርያት ሰደድዎም።</verse>
				<verse number="34">ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ።</verse>
				<verse number="35">ጳውሎስን በርናባስን ኸዓ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ተረፉ፤ ምስ ካልኦት ብዙሓት ኮይኖም ድማ፥ ቃል ጐይታ ይምህሩን ይሰብኩን ነበሩ።</verse>
				<verse number="36">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ጳውሎስ ንበርናባስ “ነዓ ናብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ኵለን ከተማታት ንመለስ፤ ናብቶም ኣሕዋት ንኺድ፤ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንፍለጥ” በሎ።</verse>
				<verse number="37">በርናባስ ከዓ፥ ነቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ምስኣቶም ክማልኦ ደለየ።</verse>
				<verse number="38">ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን።</verse>
				<verse number="39">ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ መንጎኣቶም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ፥ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።</verse>
				<verse number="40">ጳውሎስ ግና ንሲላስ መረፀ፤ እቶም ኣሕዋት ንፀጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕፀንዎ ድማ ኻብኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="41">ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ፥ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣበረታትዐን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="3">ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ፤ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገረዞ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ፥ ነቲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወሰንዎ ስርዓት ክሕልዉዎ ሃቡዎም።</verse>
				<verse number="5">እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ፀንዓ፤ ቍፅረን ድማ፥ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ጳውሎስን ብፆቱን፥ ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ናብ ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ።</verse>
				<verse number="9">ጳውሎስ ከዓ፥ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናባና ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድአና” እናበለ፥ ክልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ምስ ረአየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዐና ስለ ዝፈለጥና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና።</verse>
				<verse number="12">ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና።</verse>
				<verse number="13">ብመዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ካብ ቅፅሪ እታ ኸተማ ወፂእና፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ፥ ቤተ ፀሎት ስለ ዝነበረ፥ ናብኡ ኸድና፤ ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ፥ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ኽንነግረን ጀመርና።</verse>
				<verse number="14">ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።</verse>
				<verse number="15">ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።</verse>
				<verse number="16">ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።</verse>
				<verse number="17">ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት።</verse>
				<verse number="18">ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።</verse>
				<verse number="19">ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ስልጣን ደው ኣቢሎምውን፥ ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ፤</verse>
				<verse number="21">ንሕና ሮማውያን፥ ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብአና ስርዓት፥ ይምህሩ ኣለዉ።”</verse>
				<verse number="22">እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ።</verse>
				<verse number="23">ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም።</verse>
				<verse number="25">ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="26">ብድንገት ድማ፥ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወፅ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ መዓፁ ተኸፍተ፤ ናይ ኵላቶም መዋቕሕውን ተፈትሐ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ።</verse>
				<verse number="28">ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ኣብ ባዕልኻ ኽፉእ ኣይትግበር፤ ኵላትና ኣብዙይ ኣለና” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምፅኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠውን፥ ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ።</verse>
				<verse number="30">ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድሕንስ፥ እንታይ ክገብር ይግብአኒ?” በሎም።</verse>
				<verse number="31">ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።</verse>
				<verse number="32">ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዛኡ ዝነበሩን ድማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ።</verse>
				<verse number="34">ናብ ገዛኡ ወሲዱ ድማ፥ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነውን፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።</verse>
				<verse number="35">ምድሪ ምስ ወግሐ፥ እቶም ሰብ ስልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም” ኢሎም፥ ሓሻኽር ለኣኹሉ።</verse>
				<verse number="36">እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ።</verse>
				<verse number="37">ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="38">እቶም ሓሻኽር ድማ፥ ነቶም ሰብ ስልጣን፥ ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፥ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ።</verse>
				<verse number="39">መፂኣቶም ከዓ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም፤ ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም፥ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸብዎም ድማ፥ ኣፀናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ።</verse>
				<verse number="3">ክርስቶስ መከራ ኽቕበልን፥ ካብ ምዉታን ክትስእ ከም ዘለዎውን፥ ይገልፀሎምን የረድኦምን ነበረ። “እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ፥ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኸዓ ይብል ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ካብኣቶምውን ገሊኣቶም፥ ኣሚኖም ንጳውሎስን ሲላስን ዝተኸተሉ ነበሩ፤ ብዙሓት ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ብዙሓት ፍሉጣት ኣንስትን ድማ ኸምኡ ገበሩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ኣይሁድ ከዓ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ፥ ክፉኣት ሰባት ኣምፂኦም፥ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ፥ ነታ ኸተማ ሃወኽዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም፥ ናብቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸቕርብዎም ድማ፥ ንገዛ ኢያሶን ከበብዋ።</verse>
				<verse number="6">ምስ ሰኣንዎም ግና፥ ንኢያሶንን ንገሊኣቶም ኣሕዋትን እናጐተቱ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መፂኦም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ኢያሶን ከዓ ኣብ ገዛኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ‘ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፥ ንትእዛዝ ቄሳር ይፃረሩ ኣለዉ” ኢሎም ከሰስዎም።</verse>
				<verse number="8">እቶም ህዝብን ኣሕሉቕ እታ ኸተማን፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ።</verse>
				<verse number="9">ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብፆቱን፥ ዋሕስ ኣቝፂሮም ሰደድዎም።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስን ንሲላስን፥ ብለይቲ ናብ ቤርያ ኸም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኡ ምስ በፅሑ ድማ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ብዙሓት ካብኣቶም ኣመኑ፤ ካብቶም ግሪካውያን ድማ፥ ብዙሓት ክቡራት ኣንስትን ብዙሓት ግሪካውያን ሰብኡትን ኣመኑ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቓል እግዚኣብሄር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ሃወኹዎ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ።</verse>
				<verse number="16">ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽፅበዮም እንተሎ፥ እታ ኸተማ ጣዖታት መሊኣ ምስ ረአያ፥ ብመንፈሱ ተቘጥዐ።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት፥ ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን፥ ይከራኸሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ገሊኣቶም ካብ ኤጲቆሮስን እስጦኢኮን ዝኾኑ ፈላስፋታት፥ ምስኡ ይካትዑ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ድማ “እዝ ለፍላፊ፥ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ እዩ?” በሉ። ገሊኣቶም፥ ጳውሎስ ብዛዕባ ኢየሱስን፥ ትንሳኤ ሙታንን ስለ ዝሰበኸሎም፥ “ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ እባ ደኣ ይመስል” በሉ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ንጳውሎስ ናብቲ ኣርዮስፋጎስ ዝተብሃለ መጋባእያ ወሲዶም፦ “እዝ ንስኻ እትምህሮ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርትስ፥ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?</verse>
				<verse number="20">ሓድሽ ነገር ኣብ እዝንና ተስምዐና ኣለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ስለ ዝደለና ንገረና” በልዎ።</verse>
				<verse number="21">ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ኻልኦትን ግና፥ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኮይኑ፥ ንኻልእ ጉዳይ ጊዜ ኣይነበሮምን።</verse>
				<verse number="22">ሽዑ ጳውሎስ ኣብቲ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ ነገርኩም፥ ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ህይወትን እስትንፋስን፥ ዘድሊ ዅሉ ነገራትን፥ ንዅሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።</verse>
				<verse number="27">እዙይ ከዓ፥ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እንተሎስ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።</verse>
				<verse number="28">ገሊኣቶም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ እግዚኣብሄር ኢና’ ኸም ዝብልዎ፥ ‘ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና’</verse>
				<verse number="29">“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።</verse>
				<verse number="30">እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።</verse>
				<verse number="31">በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምስ ሰምዑ፥ ገሊኣቶም ኣላገፁሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ፥ “ብዛዕባ እዙይ፥ ካልእ ጊዜ ኽንሰምዐካ ንደሊ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="33">ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፂኡ ኸደ።</verse>
				<verse number="34">ገሊኣቶም ሰባት ከዓ፥ ኣሚኖም ሰዓብዎ፤ ንሳቶም ድማ፥ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዝበሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ።</verse>
				<verse number="2">ቀላውዴዎስ ቄሳር፥ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኻብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመፀ፥ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ።</verse>
				<verse number="3">ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="4">ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸ ድማ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን የረድኦም ነበረ።</verse>
				<verse number="5">ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ኣብ እንዳ እቲ ገዛኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበረት፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ኢዮስጦስ ናብ ዝበሃል ሰብ ኣተወ።</verse>
				<verse number="8">ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን።</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።</verse>
				<verse number="10">ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ።</verse>
				<verse number="11">ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃረ፥ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="12">ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ።</verse>
				<verse number="13">“ካብ ሕጊ ወፃኢ፥ ሰባት ንእግዚኣብሄር ከምልኽዎ ይሓባብል ኣሎ” እናበሉ ድማ ኸሰስዎ።</verse>
				<verse number="14">ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስተዳለወ ድማ፥ ጋልዮስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ግና ክትዕኹም፥ ብዛዕባ ቃልን፥ ስምን፥ ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን” በሎም።</verse>
				<verse number="16">ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።</verse>
				<verse number="17">እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።</verse>
				<verse number="18">ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።</verse>
				<verse number="20">ንሳቶምውን ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ክፀንሕ ለመንዎ፤ እንተ ኾነ ሕራይ ኣይበሎምን።</verse>
				<verse number="21">ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ቂሳርያ ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩውን ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረደ።</verse>
				<verse number="23">ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም።</verse>
				<verse number="24">ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ፥ ምሁር ቅዱሳት መፃሕፍትን፥ ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ብጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እኳ እንተ ነበረ፥ ብመንፈስ ተለዓዒሉ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ።</verse>
				<verse number="27">ናብ ኣካይያ ክሓልፍ ምስ ሓሰበ፥ እቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ክቕበልዎ ፀሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም።</verse>
				<verse number="28">ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።</verse>
				<verse number="2">“ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።</verse>
				<verse number="3">ንሱ ኸዓ “በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም?” በሎም፤ ንሳቶም ድማ “ብጥምቀት ዮሃንስ” በልዎ።</verse>
				<verse number="4">ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም።</verse>
				<verse number="5">እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ።</verse>
				<verse number="6">ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሰባት ከዓ፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="8">ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ።</verse>
				<verse number="9">ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="12">እንሆ ድማ፥ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይሓድጎም፤ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ።</verse>
				<verse number="13">እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ።</verse>
				<verse number="14">እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ፥ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፤ ንጳውሎስውን እፈልጦ እየ፤ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም?” በሎም።</verse>
				<verse number="16">እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም።</verse>
				<verse number="17">እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።</verse>
				<verse number="18">ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ፥ ብዙሓት እናመፁ፥ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ፤</verse>
				<verse number="20">ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ብሓይሊ እናሰፍሐን እናበርትዐን ከደ።</verse>
				<verse number="21">እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ እሞ “ኣብኣ ምስ በፃሕኹውን፥ ንሮም ክሪኣ ይግብአኒ እዩ” በለ።</verse>
				<verse number="22">ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ፥ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን፥ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፤ ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙሕ መዓልቲ ፀንሐ።</verse>
				<verse number="23">በቲ ቕነ እቱይ፥ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ኤፌሶን ብዙሕ ሁከት ኮነ።</verse>
				<verse number="24">ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሰራሒ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሰርሐ፥ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ።</verse>
				<verse number="25">ነዚኣቶምን ነቶም ብስራሖም ዝተሓባበርዎምን ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፥ ጥቕምና ኻብዝ ስራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="26">ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።</verse>
				<verse number="27">ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።”</verse>
				<verse number="28">ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ እሞ፥ ዓው ኢሎም “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” በሉ።</verse>
				<verse number="29">ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ሒዞም፥ እናጐተቱ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ጐየዩ።</verse>
				<verse number="30">ጳውሎስ ድማ፥ ናብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ ደለየ፤ እንተ ኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ።</verse>
				<verse number="31">ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ።</verse>
				<verse number="32">እቲ ህዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዝበዝሑ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።</verse>
				<verse number="34">ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፥ ኵላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም፥ “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="35">እቲ ናይታ ኸተማ ሹም፥ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፥ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን፥ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ፥ ዘይፈልጥ ሰብ መን እዩ?</verse>
				<verse number="36">እምበኣርከስ፥ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ፥ ክትሃድኡ ደኣ እምበር፥ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="37">እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ፥ ንኣምላኽናውን እንተይፀረፉ ኢኹም ኣምፂእኹምዎም ዘለኹም።</verse>
				<verse number="38">ድሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና፥ ክሲ እንተ ሃልይዎም፥ መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለዉዎም፤ ንስንሳቶም ይካሰሱ።</verse>
				<verse number="39">ካልእ ነገር እንተ ሃልዩኩም ድማ፥ ኣብቲ ስሩዕ መጋባእያ ይረአ።</verse>
				<verse number="40">ነዝ ሁከት እዙይ፥ እንህቦ ምኽንያት የብልናን፤ በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ፥ ከይንኽሰስ ንፈርሕ ኢና”</verse>
				<verse number="41">ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">እቲ ሁከት ምስ ሃድአ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፀዊዑ፥ ብምኽሪ ኣፀናንዖም፥ ተሰናቢትዎም ከዓ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ተልዓለ።</verse>
				<verse number="2">በቲ ዝሓለፎ ዓድታትውን፥ ብብዙሕ ቃል እናፀናንዖም ናብ ግሪክ ከደ።</verse>
				<verse number="3">ኣብኡ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ እንተሎ ድማ፥ ኣይሁድ ተንኰል ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ሓሰበ።</verse>
				<verse number="4">በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ በዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን፥ ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ።</verse>
				<verse number="5">እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም፥ ኣብ ጢሮኣዳ ተፀበዩና።</verse>
				<verse number="6">ንሕና ግና ድሕሪ በዓል ፋሲካ፥ ኻብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ተልዒልና፥ ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በፃሕና፤ ኣብኡውን ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና።</verse>
				<verse number="7">በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን፥ እንጀራ ኽንቈርስ ተኣከብና፤ ጳውሎስ ድማ ይምህሮም ነበረ፤ ንፅባሒቱ ኽገይሽ ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ትምህርቱ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውሐ።</verse>
				<verse number="8">ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕለዋይ ደብሪ፥ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ፥ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ እንተሎ ተታኸሰ፤ ጳውሎስ ትምህርቱ ምሰንውሐ ኸዓ፥ ድቃስ ከቢድዎ ኻብ ሳልሰይቲ ደብሪ፥ ናብ ታሕቲ ወደቐ፤ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ።</verse>
				<verse number="10">ጳውሎስ ድማ፥ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ተጋደመ እሞ፥ ሓቝፉ ኣልዓሎ፤ “ብህይወት እዩ ዘሎ እሞ ኣይትደንግፁ” ድማ በሎም።</verse>
				<verse number="11">ናብቲ ደብሪ ደየበ፤ ነቲ ጐበዝውን ምስኡ ኣደየቦ፤ ተቐሚጡውን እንጀራ ቘሪሱ በልዐ፤ ክሳዕ ዝወግሕውን ብዙሕ መሃሮምሞ ኸደ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ወዲ ኸዓ፥ ብህይወቱ ስለ ዝወሰድዎ የመና ተፀናንዑ።</verse>
				<verse number="13">ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ክንቅበሎ ስለ ዝሓሰብና፥ ንሕና ኣቐዲምና ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዙይ ዝገበርና ኸዓ፥ ጳውሎስ ክሳዕ ኣሶን፥ ብእግሪ ክኸይድ ስለ ዝመደበን፥ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝነገረናን እዩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ኣሶን ምስ በፃሕና ድማ፥ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ፤ ናብ ሚጢሊኒን ከዓ ኸድና።</verse>
				<verse number="15">ካብኡ ወፂእና ኸዓ፥ ብመርከብ ጌርና፥ ናብ ማዕዶ ክዮስ በፃሕና፤ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ናብ ሚሊጢ ኣተና።</verse>
				<verse number="16">ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።</verse>
				<verse number="17">ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ፥ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፥ ነቶም ሽማግለታት ናብኡ ፀውዖም።</verse>
				<verse number="18">ናብኡ ምስ መፁ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤</verse>
				<verse number="19">ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥</verse>
				<verse number="20">ዝጠቅም ኵሉ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም፥ ዘጕደልኩልኩም የለን።</verse>
				<verse number="21">ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ ብመንፈስ ተመሪሐ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="23">ብዘይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን መከራን ይፅበየካ ኣሎ’ ኢሉ፥ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን።</verse>
				<verse number="24">ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”</verse>
				<verse number="25">“ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንፁህ ምዃነይ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።</verse>
				<verse number="29">ኣነ ምስ ከድኩ፥ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ፥ ከም ተዃሉ ጨካናት፥ ብድሕረይ ከም ዝመፁኹም እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="30">ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።</verse>
				<verse number="32">ሕዚ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን።</verse>
				<verse number="34">በዘን ኣእዳወይ እናሰራሕኹ፥ ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን፥ ዘድለየና ኸም ዘማላእኹ፥ ባዕልትኹም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="35">ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።”</verse>
				<verse number="36">እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎም ተምበርኪኹ ፀለየ።</verse>
				<verse number="37">ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ከዓ፥ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ።</verse>
				<verse number="38">ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ካብኣቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተልዓልና፥ መንገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ ከድና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ፥ ሮዶስ ኣብ እትብሃል ደሴት በፃሕና፤ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣተና።</verse>
				<verse number="2">ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና፥ ናብኣ ደየብና፤ ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐፀልና።</verse>
				<verse number="3">ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ፥ ንኢድ ፀጋም ሓዲግናያ፥ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና፤ ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና።</verse>
				<verse number="4">ኣብኣ ደሊና ደቀ መዛሙርት ረኸብና፤ ምስኣቶም ከዓ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና፤ ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊፁሎም፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና።</verse>
				<verse number="6">“ደሓን ኩኑ” ተበሃሂልና ምስ ተፈላለና፥ ንሕና ናብታ መርከብ ደየብና፤ ንሳቶምውን ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="7">ንሕና ግና፥ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና፥ ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በፃሕና፤ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና፥ ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና።</verse>
				<verse number="8">ንፅባሒቱ ኻብኣ ወፂእና፥ ኣብ ቂሳርያ በፃሕና፤ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና፥ ኣብኣ ቐነና።</verse>
				<verse number="9">ንሱ፥ ትንቢት ዝዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣጓላት ነበራኦ።</verse>
				<verse number="10">ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀናሕና፥ ሓደ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ።</verse>
				<verse number="11">ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ምስ ሰማዕና፥ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ፥ ንጳውሎስ ለመንናዮ።</verse>
				<verse number="13">ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ።</verse>
				<verse number="14">ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት ምስ ተዳሎና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና።</verse>
				<verse number="16">ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፃሕና፥ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና።</verse>
				<verse number="18">ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ምሳና ናብ ያእቆብ ከደ፤ ኵሎም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም፥ እግዚኣብሄር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ ነገሮም።</verse>
				<verse number="20">ነዙይ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ፤ ንጳውሎስ ከዓ፦ “ኣታ ሓውና፥ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፤ ኵላቶም ከዓ፥ ሕጊ ሙሴ ንምፍፃም ቅንኣት ኣለዎም።</verse>
				<verse number="21">ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ምምፃእኻ ብርግፅ ክሰምዑ እዮም እሞ፥ እንታይ ምግባር ይሐይሽ?</verse>
				<verse number="23">እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤</verse>
				<verse number="24">ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ፥ ምስኣቶም ንባዕልኻ ኣንፅህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ፥ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ፥ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን፥ እዝ ዅሉ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ኸዓ፥ ሓቂ ኸም ዘይኮነን፥ ኵላቶም ክፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ።</verse>
				<verse number="26">ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።</verse>
				<verse number="27">እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="28">“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንዑ ርድኡና፤ እቲ ኣብ ፈቖዶ ሃገር፥ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይን፥ ምስ እዝ ሕጊ እዙይን፥ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር፥ ንዅሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ፤ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ፥ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፥ ነዛ ቕድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ እዩ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ዝበሉ ኸዓ፥ ቅድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን፥ ምስኡ ኣብ ከተማ ሪኦምዎ ነበሩ እሞ፥ ጳውሎስ ናብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲሉዎም እዩ።</verse>
				<verse number="30">ኵላ እታ ኸተማ ተሃወኸት፤ እቶም ህዝቢ ዅላቶም ብሓንሳእ ብምጕያይ፥ ንጳውሎስ ሒዞም፥ ካብ ቤተ መቕደስ ጐቲቶም ኣውፅእዎ፤ ሽዑ ንሽዑውን፥ ነቲ መዓፁ ቤተ መቕደስ ዓፀውዎ።</verse>
				<verse number="31">ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሃወኸት፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ መልእኽቲ በፅሐ።</verse>
				<verse number="32">ንሱ ኸዓ፥ ወታደራትን ኣሕሉቕ ሚእትን ሒዙ፥ ናብኣቶም ጐየየ። ኣይሁድ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስ ካብ ምውቃዕ ኣቋረፁ።</verse>
				<verse number="33">ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፤ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ።</verse>
				<verse number="34">እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዋዕዋዕታ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ናይቲ ሁከት መልዓሊኡ ምርዳእ ስለ ዘይከኣለ፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ከብፅሕዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="35">ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በፅሐ፥ እቲ ህዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤</verse>
				<verse number="36">ዓው ኢሎም ድማ፥ “ኣወግዶ” እናበሉ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕብዎ ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="37">ናብቲ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ቋንቋ ግሪክዶ ትፈልጥ ኢኻ?</verse>
				<verse number="38">ቅድሚ ሕዚ ሁከት ዘለዓዓልካን ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ፥ ናብ በረኻ ዘውፃእኻን ግብፃዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን?” በሎ።</verse>
				<verse number="39">ጳውሎስ ግና “ኣነስ ኣብ እታ ፍልጥቲ ኸተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ እየ፤ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="40">ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።”</verse>
				<verse number="2">ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፥ ብዝበለፀ ፀጥ ኢሎም ኣዳመፅዎ፤ ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦</verse>
				<verse number="3">“ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="4">ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፥ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ፥ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ከም ዝገበርኩ፥ ሊቀ ካህናትን ኵላቶም ሽማግለታትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኽቕፅዑ፥ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእለኒ፥ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን፥ ካብኣቶም መልእኽቲ ተቐቢለ ነይረ እየ።</verse>
				<verse number="6">“ናብ ደማስቆ እናኸድኩ እንተለኹ፥ ናብኣ ምስ ቀረብኩ፥ ኣጋ ቐትሪ ድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን፥ ኣብ ዙርያይ ኣንፀባረቐ።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ምድሪ ኸዓ ወደቕኩ፥ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳጕጐኒ?’ ዝብል ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="8">ኣነ ድማ መሊሰ ‘ጐይታይ፥ ንስኻ መን ኢኻ?’ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እየ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ፤ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑን።</verse>
				<verse number="10">ሽዑ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር?’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተሲእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ፥ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም’ በለኒ።</verse>
				<verse number="11">ካብቲ ግርማ ነፀብራቕ ዝተልዓለ ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ፥ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ፥ ናብ ደማስቆ በፃሕኹ።</verse>
				<verse number="12">“ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሕያዋይን ብሕጊ ዝፀንዐን፥ ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ናባይ መፂኡ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለ፤ ‘ሳውል ሓወይ፥ ረአ’ በለኒ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአኹ፤ ንእኡውን ጠመትኩዎ።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ።</verse>
				<verse number="15">እዙይ ድማ፥ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕኻዮን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ።</verse>
				<verse number="17">“ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ እናፀለኹ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ።</verse>
				<verse number="18">ጐይታ ኸዓ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቕበሉኻን እዮም እሞ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኽብለኒ እንተሎ ረአኹዎ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን፥ ኣብ ቤተ ፀሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፥ ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ኸዓ ‘ኣነ፥ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ኣህዛብ፥ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ’ በለኒ።”</verse>
				<verse number="22">ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፤ ብድሕሪዙይ ግና፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ “ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ” በሉ።</verse>
				<verse number="23">እቶም ህዝቢ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፥ ሓመድ ንላዕሊ እናብነኑ ዋዕዋዕ ክብሉ እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="24">እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ ነቲ ዋዕዋዕ ዘበሎም ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ፥ “ኣብ ስፍራ ወታደራት ኣእቲኹም፥ ብመግረፍቲ መርምርዎ” ኢሉ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="25">ክገርፍዎ ምስ ኣሰርዎ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ “ንሓደ ሮማዊ ዜጋ፥ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ?” በሎ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፥ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ፍለጥ፤ ምኽንያቱ እዝ ሰብኣይ እዙይ ‘ሮማዊ እዩ’ ” ኢሉ ነገሮ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ መፂኡ፥ “ኣታ ሮማዊ ዲኻ? እስኪ ንገረኒ” በሎ። ጳውሎስ ከዓ “እወ” በሎ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ሓለቓ ሽሕ ኸዓ “ኣነስ፥ ነዝ ዜግነት እዙይ፥ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል እየ ዝረኸብክዎ” በሎ፤ ጳውሎስ ድማ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="29">እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ኣብኡ ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ግና፥ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገፀ፥ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሐ።</verse>
				<verse number="30">ብፅባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንፁር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ካህናትን፥ ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም፤ ንጳውሎስ ድማ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቖሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="23">
				<verse number="1">ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም።</verse>
				<verse number="2">ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽፀፍዕዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="3">ጳውሎስ ድማ ንእኡ “ኣታ ዝተለመፀ መንደቕ፥ እግዚኣብሄር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኽወቕዑኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ፥ “ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ትፃረፍ ኣለኻ?” በልዎ።</verse>
				<verse number="5">ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።</verse>
				<verse number="7">እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፤ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ።</verse>
				<verse number="8">ሰዱቃውያን፥ ትንሳኤ ሙታን፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ፥ ፈሪሳውያን ግና እዝ ኵሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩሞ።</verse>
				<verse number="9">ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ።</verse>
				<verse number="10">ብዙሕ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት “ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ሒዝኩም፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብፅሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።</verse>
				<verse number="11">በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="12">ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ፥ ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ድማ ንስኻትኩም፥ ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ዄንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም ጌርኩም፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበፅሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።</verse>
				<verse number="16">ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ፥ ንጳውሎስ ነገሮ።</verse>
				<verse number="17">ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ “እቲ እሱር ጳውሎስ፥ ናብኡ ፀዊዑ፥ እዝ ወዲ እዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ፥ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ፥ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="20">ንሱ ኸዓ “ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣፀቢቖም ክጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="21">ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ይፀናተዉ ኣለዉ፤ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ፥ ከይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም” በሎ።</verse>
				<verse number="22">ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “ንኣይ ከም ዝነገርካኒ፥ ንኻልእ ኣይትንገር” ኢሉ፥ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።</verse>
				<verse number="23">ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ።</verse>
				<verse number="24">ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ፤ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ድማ ኣብፅሕዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="25">ከምዙይ ኢሉውን መልእኽቲ ፀሓፈ፦</verse>
				<verse number="26">“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="27">ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም፥ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፥ ምስ ወታደራት መፂአ ኣናገፍክዎ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ፥ ናብ መጋባእያኣቶም ኣቕረብክዎ።</verse>
				<verse number="29">ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ ክሲ፥ ከቶ ኣይረኸብኩሉን።</verse>
				<verse number="30">ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይፀናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ፥ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ፤ ነቶም ከሰስቱውን፥ ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ደሓን ኩን።”</verse>
				<verse number="31">እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ።</verse>
				<verse number="32">ንፅባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ሓዲጎምዎም፥ ናብ ሰፈሮም ተመለሱ።</verse>
				<verse number="33">እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ነታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ።</verse>
				<verse number="34">ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ ኸዓ፥ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥</verse>
				<verse number="35">“እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መፁ፥ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ” በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="24">
				<verse number="1">ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ።</verse>
				<verse number="2">ጳውሎስ ምስ ተፀውዐ ድማ፥ ጠርጠሉስ ከምዙይ እናበለ ክኸሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና።</verse>
				<verse number="4">እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።</verse>
				<verse number="6">ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ፥ ሒዝና ኸም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና።</verse>
				<verse number="7">ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መፂኡ፥ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ከሰስቱ ድማ፥ ናባኻ ኽመፁ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዅሉ ኸዓ፥ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።”</verse>
				<verse number="9">ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሹም ክዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸዓ፥ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦ “ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየሞ፥ ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ክሰግድ ኢለ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፥ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ፥ ወይ ህዝቢ ኣኪበ ኽህውኽ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።</verse>
				<verse number="17">“ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከዓ፥ ናብ ህዝበይ ምፅዋት ከብፅሕን፥ መስዋእቲ ኸቕርብን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ።</verse>
				<verse number="18">እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከምቲ ስርዓት ዝእዝዞ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንፅህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ህዝቢ ኣይነበረን፤</verse>
				<verse number="19">ገሊኣቶም ካብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ደኣ ሃልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መፂኦም፥ ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ።</verse>
				<verse number="20">ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ።</verse>
				<verse number="21">ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ፥ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን፥ ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።”</verse>
				<verse number="22">ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ “እቲ ሓለቓ ሽሕ ሉስዮስ ምስ ወረደ፥ ሽዑ ነገርኩም ኣፀቢቐ ኽምርምሮ እየ” ኢሉ ኽፀንሕ ገበሮ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።</verse>
				<verse number="24">ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መፂኡ፥ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀውዖ እሞ፥ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፥ ካብኡ ሰምዑ።</verse>
				<verse number="25">ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ።</verse>
				<verse number="26">ምስዙይ ድማ ኻብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምፅአ ይዛረቦ ነበረ።</verse>
				<verse number="27">ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="25">
				<verse number="1">ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ቂሳርያ ምስ መፀ፥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።</verse>
				<verse number="2">ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ፥ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣብ መንገዲ ተፀናትዮም ክቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸዓ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ስደደልና” ኢሎም ለመንዎ።</verse>
				<verse number="4">ፊስጦስ ድማ፥ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዝሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸዓ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ እየ ኢሉ መለሰሎም።</verse>
				<verse number="5">“እምበኣር ካባኻትኩም ሓላፍነት ዘለዎም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይኺዱ እሞ፥ እቲ ሰብኣይ እቱይ፥ ዝኾነ በደል እንተ ሃልይዎ ኣብኡ ይኽሰስዎ” በሎም።</verse>
				<verse number="6">ፊስጦስ ምስኣቶም ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንፅባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፥ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="7">ጳውሎስ ምስ መፀ ኸዓ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ፥ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ።</verse>
				<verse number="8">ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ፥ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ።</verse>
				<verse number="9">ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ፥ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።</verse>
				<verse number="10">ጳውሎስ ግና “ኣነ ኣብ ቕድሚ ናይ ቄሳር መንበር ፍርዲ ቖይመ ኣለኹ፤ ክፍረድ ዝግብአኒ ድማ ኣብኡ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝበደልክዎ ኸም ዘይብለይ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="11">ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="12">ሽዑ ፊስጦስ ምስቶም መማኽርቱ ተነጋጊሩ፥ “ናብ ንጉስ ቄሳር ይግባይ ካብ በልካ፥ ናብኡ ኽትከይድ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="13">ቁሩብ መዓልቲታት ምስ ሓለፈ ድማ፥ ንጉስ ኣግሪጳን ብርኒቄን፥ ንፊስጦስ ክራኸብዎ ናብ ቂሳርያ ወረዱ።</verse>
				<verse number="14">ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሑ ኸዓ፥ ፊስጦስ ነቲ ንጉስ፥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዝ ዝስዕብ ገለፀሉ፦ “ፊልክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዙይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ እንተለኹ ድማ፥ ሊቃነ ካህናት ኣይሁድን ሽማግለታቶምን፥ ናባይ መፂኦም ብዛዕባኡ ነገሩኒ፤ ክፈርዶውን ለመኑኒ።</verse>
				<verse number="16">ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ደው እንተየበልካ፥ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ፥ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕፃዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ፥ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪዙይ ናብዙይ ተኣኪቦም ምስ መፁ፥ እንተየደናጐኹ ንፅባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፥ ነቲ ሰብኣይ ከምፅእዎ ኣዘዝኩ።</verse>
				<verse number="18">እቶም ከሰስቱ ምስኡ ምስ ኣቖምኩዎም፥ ኣነ ኸም ዝተፀበኽዎ ዝፈፀሞ ወንጀል ኣየቕረቡሉን።</verse>
				<verse number="19">እንተ ኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን፥ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ፥ ጳውሎስ ግና ‘ህያው እዩ’ ዝብሎ ኢየሱስን፥ ይካትዑ ነበሩ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ኸዓ ዝገብሮ ምስ ሰኣንኩ፥ ‘ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክትፋረድ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብዶ ትደሊ?’ በልክዎ።</verse>
				<verse number="21">ጳውሎስ ግና ፍርዲ ቄሳር ክሳዕ ዝወሃቦ ይግባይ ስለ ዝበለ፥ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ክሕሎ ኣዘዝኩ።”</verse>
				<verse number="22">ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣነውን ባዕለይ ክሰምዖ እደሊ እየ” በሎ። ፊስጦስ ድማ “እምበኣር ፅባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="23">ንፅባሒቱ ድማ ኣግሪጳን ብርኒቄን ልብሰ መንግስቲ ለቢሶም ብዓብዪ ግርማ፥ ምስቶም ሓለቓታት ሽሕን፥ ናይታ ኸተማ ዓበይቲ ሰባትን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ኣተዉ። ፊስጦስ ከዓ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="24">ጳውሎስ ምስ መፀ ፊስጦስ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ኣቱም ኣብዙይ ምሳና ዘለኹም ኵልኻትኩም ስምዑ፦ ኵላቶም ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብዙይ ‘ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ’ እናበሉ ዝጠርዑሉ፥ እዝ እትሪእዎ ዘለኹም ሰብኣይ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣነ ግና መርሚረ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ‘ናብ ቄሳር ይግባይ’ ምስ በለ ኸዓ፥ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="27">ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ፥ ቅኑዕ ኾይኑ ኣይተርአየንንሞ” በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="26">
				<verse number="1">ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦</verse>
				<verse number="2">“ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">“እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘሕለፍክዎ ህይወትውን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ፥ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ኣምልኾትና ኣፀቢቖም ዝጥንቀቑ፥ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ድማ በታ እግዚኣብሄር ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኒሀኹ።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትሪእዎ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="9">ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዅሉ፥ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር፥ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ።</verse>
				<verse number="10">ነዙይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተቐቢለ፥ ንብዙሓት ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፤ ክቐትልዎም እንተለዉውን ሓቢረ ተሰማማዕኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”</verse>
				<verse number="12">“በዝ ጉዳይ እዙይ፥ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን፥ ናብ ደማስቆ ክኸይድ እንተለኹ፥</verse>
				<verse number="13">ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ።</verse>
				<verse number="14">ኵላትና ኣብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ‘ሳውል! ሳውል! ስለ ምንታይ እተሳጕጐኒ? በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ፥ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ’ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ።</verse>
				<verse number="16">ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ።</verse>
				<verse number="17">ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣህዛብን ከዓ፥ ከናግፈካ እየ።</verse>
				<verse number="18">ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”</verse>
				<verse number="19">“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።</verse>
				<verse number="20">እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።</verse>
				<verse number="21">ብዛዕባ እዙይ ከዓ፥ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፤ ክቐትሉኒውን ደለዩ።</verse>
				<verse number="22">እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ መጀመርታ ኻብ ሞት ብምትሳኡውን፥ ንህዝቢ እስራኤልን፥ ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዘብስር ተዛሪቦም ነበሩ።”</verse>
				<verse number="24">ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተዛረበ ድማ፥ ፊስጦስ ዓው ኢሉ፥ “ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ? እዝ ብዙሕ ትምህርትኻ፥ ናብ ዕብዳን ኣብፂሑካ ኣሎ” በሎ።</verse>
				<verse number="25">ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን።</verse>
				<verse number="26">እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="27">ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ንነቢያትዶ ተኣምኖም ኢኻ? ከም እትኣምኖም ድማ እፈልጥ እየ።”</verse>
				<verse number="28">ኣግሪጳ ኸዓ ንጳውሎስ “ብሓፂር ጊዜዶ፥ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ?” በሎ።</verse>
				<verse number="29">ጳውሎስ ከዓ “እንተስ ብሓፂሩ እንተስ ብነዊሑ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ፥ ኵሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉውን፥ እንትርፊ እዝ መቝሐይ፥ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር እልምን ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="30">ሽዑ እቲ ንጉስን፥ እቲ ሹም ብርኒቄን፥ እቶም መቓምጦምን ተስኡ።</verse>
				<verse number="31">ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="32">ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢሉ እንተ ዘይኸውንስ፥ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” በሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="27">
				<verse number="1">ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፥ ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን፥ ነቲ ኣብ ሰራዊት ቄሳር ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ዩልዮስ ዝስሙ ኣመሓላለፍዎም።</verse>
				<verse number="2">ናብ ሃገር እስያ ዝነቐለት፥ ካብ ኣድራሚጢስ ዝመፀት መርከብ ጌርና ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብር ኣርስጣርኮስ ዝተብሃለ መቄዶንያዊ ድማ፥ ምሳና ኸደ።</verse>
				<verse number="3">ብፅባሒቱ ኣብ ሲዶና በፃሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህርሀሉ፤ ናብ ፈተውቱ ኽበፅሕ እሞ፥ ካብኣቶም ሓገዝ ኽረክብውን ፈቐደሉ።</verse>
				<verse number="4">ካብኣ ተልዒልና ኸዓ፥ ንፋስ ኣብ ቕድሜና ስለ ዝነበረ፥ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ሓለፍና።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ጥቓ ቂልቅያን ጵምፍልያን ዘሎ ባሕሪ ሓሊፍና፥ ናብታ ኣብ ሃገር ሉቅያ እትርከብ ሙራ ናብ እትበሃል ወደብ ኣተና።</verse>
				<verse number="6">እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ናይ እስክንድርያ መርከብ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣደየበና።</verse>
				<verse number="7">እታ መርከብ፥ ብዙሕ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ፥ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በፃሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ፥ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና፥ ብማዕዶ ሰልሙና ሓለፍና።</verse>
				<verse number="8">ብብዙሕ ጭንቂ ፀግዓ ፀግዒ ምስ ሓለፍና፥ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ “ፅብቕቲ ወደብ” ናብ እትብሃል በፃሕና።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ ምስ ሓለፈ፥ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘፀግመሉ ወርሓት ስለ ዝኾነ፥ ጳውሎስ፦</verse>
				<verse number="10">“ኣቱም ሰባት ስምዑኒ፤ ጕዕዞና ንመርከብን ፅዕነትን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንህይወትና ብዙሕ ጥፍኣትን ጕድኣትን ከም ዘስዕብ ይረአየኒ ኣሎ” ኢሉ መኸሮም።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ወደብ፥ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ፥ መብዛሕትኦም ካብኡ ኽወፁ፥ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ፥ ኣብ ፍንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን፥ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ፥ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት።</verse>
				<verse number="13">ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ፥ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም፥ መልህቅ ኣልዒሎም ብፀግዒ ቀርጤስ ሓለፉ።</verse>
				<verse number="14">ሽዑ ኸዓ ብዙሕ እንተይደንጐየ “ሰሜናዊ ምብራቕ” ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ፥ ካብታ ደሴት ተልዓለ።</verse>
				<verse number="15">ነታ መርከብ ደፊኡ ምስ ወሰዳ ኸዓ፥ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፥ ናብ ዝኸደት ትኪድ ኢልና ሓደግናያ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ከውሊ እታ ቄዳ እትበሃል ደሴት ምስ በፃሕና ድማ፥ ብብዙሕ ጭንቂ፥ ንጃልባ እታ መርከብ ክነድሕና ኸኣልና።</verse>
				<verse number="17">ነታ ጃልባ ስሒቦም ምስ ኣውፅእዋ፥ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑፃ፥ ናብ ስርቲስ ከይወድቁ ፈሪሖም ድማ፥ ነቲ ጋንፅላ ጠቕሊሎም፥ ብንፋስ ክትከይድ ሓደግዋ።</verse>
				<verse number="18">ንፅባሒቱ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ድማ፥ ካብቲ ፅዕነት፥ ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ።</verse>
				<verse number="19">ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ መሳርሒታት መርከብ፥ በእዳዎም እናልዓሉ ደርበይዎ።</verse>
				<verse number="20">ብዙሕ መዓልቲ፥ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ እንተይረአና ቐነና፤ እቲ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ኸዓ፥ ኵሉ ተስፋ ድሕነት ህይወትና፥ ፈፂምና ቐበፅናዮ።</verse>
				<verse number="21">እኽሊ እንተይጠዓሙ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ፥ ጳውሎስ ኣብ ማእኸል ደው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ምኽረይ ሰሚዕኹምኒ እንተትኾኑ ኔርኩም፥ ካብ ቀርጤስውን እንተ ዘይትወፁ፥ እዝ ዅሉ መከራን ጕድኣትን ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ ድማ ብዘይ እታ መርከብ፥ ካባና ሓደኳ ኣይጕዳእን እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሑ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">በዛ ለይቲ እዚኣ፥ እቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሄር፥ ዝለኣኾ መልኣኽ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ፥</verse>
				<verse number="24">‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ።</verse>
				<verse number="25">ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ።</verse>
				<verse number="26">እንተ ኾነ፥ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንበፅሕ ኣለና” በሎም።</verse>
				<verse number="27">ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ለይቲ፥ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እናጋፍዐና ኽንከይድ እንተለና፥ እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ፥ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም።</verse>
				<verse number="28">ሽዑ መለክዒ እንተ ኣውረዱ፥ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሎም ከዓ፥ ካልኣይ መለክዒ ኣውረዱ እሞ፥ ሰላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ።</verse>
				<verse number="29">ምስ ኰኵሒ ኸይላተሙ ፈሪሖም ከዓ፥ ብወገን ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፤ ክወግሐሎም ድማ ፀለዩ።</verse>
				<verse number="30">እቶም መርከበኛታት ድማ፥ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮም፥ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፥ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ።</verse>
				<verse number="31">ጳውሎስ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይፀኒሖም፥ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="32">ሽዑ እቶም ወታደራት መእሰሪ እታ ጃልባ በቲኾም፥ ክትወድቕ ሓደግዋ።</verse>
				<verse number="33">ምስ ወግሐ፥ ጳውሎስ “እናተፀበኹም እኽሊ ኻብ ዘይትጥዕሙ ሎሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፥ እንጀራ ብልዑ” ኢሉ ንዅሎም ለመኖም።</verse>
				<verse number="34">“እምበኣርከስ፥ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽትፀንሑ፥ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።</verse>
				<verse number="35">እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ።</verse>
				<verse number="36">ኵላቶም ከዓ ተፀናንዑ፤ እንጀራውን በልዑ።</verse>
				<verse number="37">ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና፥ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ነበርና።</verse>
				<verse number="38">በሊዖም ምስ ፀገቡ ኸዓ፥ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፥ ነታ መርከብ ኣቃለሉላ።</verse>
				<verse number="39">ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረአዩ እሞ፥ እንተ ተኽኢልዎምስ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብፅሕዋ ደለዩ።</verse>
				<verse number="40">ነቲ መልህቅ ከዓ ፈቲሖም፥ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ መእሰሪ ስካን ፈትሕዎ፤ ነቲ ንእሽቶይ ጋንፅላ ንንፋስ ገቲሮምውን፥ ናብቲ ገምገም ገፆም ከዱ።</verse>
				<verse number="41">ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በፅሑ ኸዓ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ፥ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ፥ ዘይትነቓነቕ ኮነት፤ ብድሕሪኣ ኸዓ ማዕበል በርቲዑዋ ተሰብረት።</verse>
				<verse number="42">እቶም እሱራት ምእንቲ ሓሚሶም ከየምልጡ፥ እቶም ወታደራት ነቶም እሱራት ክቐትልዎም ተማኸሩ።</verse>
				<verse number="43">እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን፤ እኳ ደኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ፥ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ።</verse>
				<verse number="44">ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ገሊኣቶም ብሉሕ፥ ገሊኣቶምውን ብስባር እታ መርከብ ክወፁ ኣዘዘ። በዝ ኸምዙይ ኵላቶም ድሒኖም፥ ናብ ምድሪ በፅሑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="28">
				<verse number="1">ብድሓን ናብ ምድሪ ምስ በፃሕና፥ እታ ደሴት “መላጥያ” ከም እትብሃል ፈለጥና።</verse>
				<verse number="2">እቶም ደቂ ዓዲ ድማ፥ የመና ራህርሁልና፤ ፅቡቕ ድማ ገበሩልና፤ ሽዑ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረ፥ ቍሪውን ስለ ዝነበረ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብፅቡቕ ተቐበሉና።</verse>
				<verse number="3">ጳውሎስ ከዓ፥ ብዙሕ ጭራሮ ኣኪቡ፥ ናብ ሓዊ ኸእቱ እንተሎ፥ ካብ ሙቐት እቲ ዝነድድ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ኣፍዑት ወፂኣ ንኢዱ ነኺሳ ተንጠልጠለት።</verse>
				<verse number="4">እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="5">ጳውሎስ ግና ነታ ኣፍዑት፥ ናብቲ ሓዊ ነፀጋ፤ ሓደኳ ጕድኣት ኣይረኸቦን።</verse>
				<verse number="6">ንሳቶም ግና ዝሓብጥ እሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝመውት መሲልዎም ነበረ። እናረአይዎ ድማ ንነዊሕ ጊዜ ፀንሑ፤ ዝኾነ ጕድኣት ከም ዘይበፅሖ ምስ ረአዩ፥ ቃሎም ለዊጦም “እዙይስ ኣምላኽ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="7">ኣብታ ቦታ፥ ፑፕልዮስ ዝበሃል ገዛኢ እታ ደሴት ከዓ፥ ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ መሬት ነበሮ። ንሱ ብፅቡቕ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ ገዛኡ ኣአንገደና።</verse>
				<verse number="8">ኣቦ ፑፕልዮስ ድማ፥ ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ፤ ጳውሎስ ከዓ ናብኡ ኣትዩ ፀለየሉ፤ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ።</verse>
				<verse number="9">ከምኡውን ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሕሙማት፥ ናብኡ እናመፁ ተፈወሱ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸዓ፥ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፥ ናይ ዲዮስቆሮስ ዝተብሃለት፥ ናይ መንታ ኣማልኽቲ ምልክት ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተልዓልና።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ሰራኩስ ምስ በፃሕና ድማ፥ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ፀናሕና።</verse>
				<verse number="13">ካብኣ ሓሊፍና ኸዓ፥ ናብ ሬጊዩም ኣተና፤ ንፅባሒቱ ተልዒልና፥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፥ ብኻልአይቲ መዓልቲ ፑቲዮሉስ በፃሕና።</verse>
				<verse number="14">ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሰለስተ መሕደሪ” እትብሃል ቦታን መፂኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ የመናውን ተፀናንዐ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ሮሜ ምስ ኣተና ኸዓ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቶም እሱራት፥ ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንጳውሎስ ግና፥ ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ።</verse>
				<verse number="17">ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም መርሚሮም፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከዓ፥ ክፈትሑኒ ደለዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣይሁድ ምስ ተቓወሙኒ ግና፥ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ እንተለኹ፥ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገደድኩ።</verse>
				<verse number="20">እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባኻ፥ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣሕዋትውን መፂኡ ዝገለፀልና ወይ ብዛዕባኻ ኽፉእ ዝነገረና የለን።</verse>
				<verse number="22">ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ፥ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ፥ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ።</verse>
				<verse number="23">መዓልቲ ምስተቛፀሩ ድማ፥ ብዙሓት ኮይኖም ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ገዛ መፁ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት፥ ካብ ሕጊ ሙሴን መፃሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናረድአ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናመስከረ ገለፀሎም።</verse>
				<verse number="24">ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ።</verse>
				<verse number="25">ጳውሎስ፥ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ፥ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም፥ ፅቡቕ ገበረ፦</verse>
				<verse number="26">‘ናብዝ ህዝቢ እዙይ ኺድ እሞ፥ ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይ ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይትርድኡን፥ ኢልካ ንገሮም።</verse>
				<verse number="27">በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ኣዐመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ እሞ ኸይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።’</verse>
				<verse number="28">“እምበኣርከስ፥ እዝ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ንኣህዛብ ከም ዝኸውን ፍለጡ፤ ንሳቶም ከዓ ኽቕበልዎ እዮም።”</verse>
				<verse number="29">እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣይሁድ ንስንሳቶም ብዙሕ እናተኻትዑ ወፁ።</verse>
				<verse number="30">ጳውሎስ ከዓ፥ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ።</verse>
				<verse number="31">እንተይተኸልከለ ኸዓ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ብብዙሕ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ይምህር ነበረ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="45">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።</verse>
				<verse number="2">እዝ ወንጌል እዙይ፥ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ፥ ብቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ብሓይሊ ዝተግሃደ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩምውን ከምኣቶም፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ፥ ተፀዊዕኹም ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="8">ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ናባኻትኩምውን ክመፅእ፥ መንገደይ ከቕንዐለይ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ከዓ ኣነን ንስኻትኩምን፥ በታ ዘላትና እምነት፥ ንስንሳትና ምእንቲ ኽንፀናናዕ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ፥ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ፥ ናባኻትኩም ንምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ኸም ዝመደብኩ፥ እንተ ኾነ ኽሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ፥ ክትፈልጡለይ እደሊ።</verse>
				<verse number="14">ንግሪካውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን፥ ንዝተምሃሩን ንዘይተምሃሩን፥ ክሰብኽ ዕዳ ኣለኒ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ኣብ ሮሜ ንዘለኹምውን፥ ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።</verse>
				<verse number="16">ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ።</verse>
				<verse number="18">ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ስለ ዝገለፀሎም፥ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉፅ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።</verse>
				<verse number="21">ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።</verse>
				<verse number="22">ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።</verse>
				<verse number="23">ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="25">እዙይ ከዓ ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ፥ ክንዲ ፈጣሪውን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን።</verse>
				<verse number="26">በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ።</verse>
				<verse number="27">ሰብኡትውን ከምኡ፥ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍፀም ባህርዮም ሓዲጎም፥ ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን፥ ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ።</verse>
				<verse number="28">ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።</verse>
				<verse number="29">ስለዙይ ብዓመፅ፥ ብኽፍኣት፥ ብስስዐ፥ ብቕንኣት፥ ብቕትለት፥ ብባእሲ፥ ብምጥፍፋእ፥ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘፀልሙ፥</verse>
				<verse number="30">ሓመይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፀልኡ፥ ዕቡያት፥ ተጀሃርቲ፥ ክፍኣት ዝኣልሙ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥</verse>
				<verse number="31">ዘየስተውዕሉ፥ ጠላማት፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ጨካናት እዮም።</verse>
				<verse number="32">እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።</verse>
				<verse number="2">ንሕና ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ፥ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="3">ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ?</verse>
				<verse number="4">ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?</verse>
				<verse number="5">ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።</verse>
				<verse number="10">ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።</verse>
				<verse number="11">እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም፥ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም፥ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከዓ፥ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም።</verse>
				<verse number="15">በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ግና “ብሕጊ ዝነብር፥ ብእግዚኣብሄርውን ዝምካሕ ኣይሁዳዊ እየ” ኢኻ እትብል።</verse>
				<verse number="18">ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ፥ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ፥</verse>
				<verse number="19">“መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥</verse>
				<verse number="20">እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ “ንዓያሹ መለበሚ፥ ናይ ህፃናት ከዓ መምህር እየ” እትብል ኢኻ።</verse>
				<verse number="21">እምበኣር፥ ኣታ ንኻልእ እትምህር፥ ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር፥ ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ።</verse>
				<verse number="22">ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻዶ ትዝሙ? ጣዖት ትፅየፍ፥ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ?</verse>
				<verse number="23">ከምቲ “ብሰንክኹም፥ ስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ይፅረፍ ኣሎ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሄር ተቃልሎ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="24"></verse>
				<verse number="25">ግርዘት እትጠቅም፥ ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና፥ እታ ግርዘት፥ ከም ዘይምግራዝ ኽትኮነካ እያ።</verse>
				<verse number="26">እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ?</verse>
				<verse number="27">እቲ ብስጋ ዘይተገርዘ እናሃለወ ሕጊ ዝሕሉ፥ ፅሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ፥ ንኣኻ ክዅንነካ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን።</verse>
				<verse number="29">ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?</verse>
				<verse number="2">ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም እዩ ብሕድሪ ዝተውሃቦም።</verse>
				<verse number="3">ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?</verse>
				<verse number="4">ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ?</verse>
				<verse number="7">ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።</verse>
				<verse number="9">እንታይ ደኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሐሸሉዶ ኣለና? የብልናን፤ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵላቶም፥ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና፥ ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ።</verse>
				<verse number="10">መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ “ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤</verse>
				<verse number="11">ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤</verse>
				<verse number="12">ኵላቶም ዓመፁ፤ ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ፤ ፅቡቕ ዝገብርውን የለን፤ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="13">ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።</verse>
				<verse number="16">ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ፤</verse>
				<verse number="17">ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።</verse>
				<verse number="18">ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።”</verse>
				<verse number="19">እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ ግና፥ ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ፥ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።</verse>
				<verse number="23">ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።</verse>
				<verse number="24">በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="25">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።</verse>
				<verse number="26">ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።</verse>
				<verse number="27">ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር።</verse>
				<verse number="28">ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣህዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣህዛብውን እባ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ።</verse>
				<verse number="31">እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?</verse>
				<verse number="2">ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን።</verse>
				<verse number="3">መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="7">“እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”</verse>
				<verse number="9">እዛ ብፅእና እዚኣ፥ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም፥ እታ እምነቱ ፅድቂ ኾይና ተቘፀረትሉ ኢልና ኣለና።</verse>
				<verse number="10">ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን።</verse>
				<verse number="11">ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።</verse>
				<verse number="12">ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።</verse>
				<verse number="13">እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ኣይኮነትን።</verse>
				<verse number="14">እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።</verse>
				<verse number="15">ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።</verse>
				<verse number="16">እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።</verse>
				<verse number="18">“ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ” ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም፥ ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙሓት ከም ዝኸውን ኣመነ።</verse>
				<verse number="19">ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን።</verse>
				<verse number="20">ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ድማ “እምነቱ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”</verse>
				<verse number="23">ግና “እቲ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ” ዝብል፥ ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተፅሓፈን፤</verse>
				<verse number="24">ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።</verse>
				<verse number="2">ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።</verse>
				<verse number="3">በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር።</verse>
				<verse number="4">ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።</verse>
				<verse number="5">እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።</verse>
				<verse number="7">ክንዲ ፃድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግና፥ ክመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን።</verse>
				<verse number="8">ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!</verse>
				<verse number="10">ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!</verse>
				<verse number="11">እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።</verse>
				<verse number="12">ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።</verse>
				<verse number="13">ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምፃኡ፥ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ፥ እቲ ሓጢኣት ከም ሓጢኣት ኣይቝፀርን ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥ ነጊሱ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ፥ ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ብፀጋ ዝተረኽበ ውህብቶ፥ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመፀ ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብ ዝመፀ ፍርዲ፥ ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ።</verse>
				<verse number="17">ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ!</verse>
				<verse number="18">እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል፥ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ፅድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ፅድቂ መፀት።</verse>
				<verse number="19">ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?</verse>
				<verse number="2">ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?</verse>
				<verse number="3">ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና፥ ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንከውን ከም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="4">እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።</verse>
				<verse number="5">ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።</verse>
				<verse number="6">ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="8">ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር።</verse>
				<verse number="11">ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ።</verse>
				<verse number="13">ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።</verse>
				<verse number="14">ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="15">እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤</verse>
				<verse number="16">ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።</verse>
				<verse number="20">ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም።</verse>
				<verse number="21">ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።</verse>
				<verse number="23">ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ኣሕዋተይ፥ ሕጊ ንዝፈልጡ እየ ዝናገር ዘለኹ እሞ፥ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="2">ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።</verse>
				<verse number="3">እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።</verse>
				<verse number="7">እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።</verse>
				<verse number="8">ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ።</verse>
				<verse number="9">ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።</verse>
				<verse number="11">ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ፤ ነቲ ዝፀልኦ እየ ዝገብሮ ዘለኹ እምበር፥ ነቲ ዝደልዮ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹሞ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="18">ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="19">ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኮነስ፥ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘለኹ።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ኣነ ዘይደልዮ ዝገብሮ ኻብ ኮንኩ ግና፥ ድሕሪ ሕዝስ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="21">እምበኣር፥ ኣነ ነቲ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፥ ኣብ ልዕለይ እዝ ሕጊ፥ ክፉእ ኣምፂኡለይ ረኸብክዎ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ፥ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ፥ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ፤ ካብዝ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድሕነኒ እዩ?</verse>
				<verse number="25">እምበኣርስ ኣነ ብሓሳበይ ንሕጊ እግዚኣብሄር፥ ብስጋይ ድማ፥ ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣለኹሞ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።</verse>
				<verse number="3">ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ፥ ብፍቓድ መንፈስ እምበር፥ ብፍቓድ ስጋ ኣብ ዘይንነብር፥ እቲ ሕጊ ዝጥይቖ ፅድቂ፥ ኣባና ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ከም ፍቓድ ስጋኦም ዝነብሩ ዅሎም፥ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ። እቶም ከም ፍቓድ መንፈስ ዝነብሩ ግና፥ ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ።</verse>
				<verse number="6">ናይ ስጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት እዩ፤ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፥ ህይወትን ሰላምን እዩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ብስጋ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ከሐጕስዎ ኣይኽእሉን።</verse>
				<verse number="9">ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ስጋኹም ብሰንኪ ሓጢኣት ምዉት እንተ ኾነኳ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዘፅደቐኩም፥ እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ።</verse>
				<verse number="11">ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ ዕዳ ኣለና፤ ግና ኸም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር፥ ንስጋስ ኣይኮንናን።</verse>
				<verse number="13">ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ኵሎም እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="15">ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።</verse>
				<verse number="16">ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።</verse>
				<verse number="18">ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ ፍጥረት፥ ነቲ ምግላፅ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ብሃረርታ ይፅበዮ ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎሞ፥ ብድልየቱ ዘይኮነስ፥ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ግና ኻብ መግዛእቲ ወፂኡ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ሓራ ኾይኖም፥ ናብ ዝኣትዉላ ኽብሪ ኽኣቱ፥ ተስፋ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="22">ኵሉ እቲ ፍጥረት፥ ምሳና ኾይኑ ቅልውላው ሒዝዎ፥ ክሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ፥ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="23">ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና፥ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፥ ናይ ስጋና ምድሓን ዝኾነ፥ መሰል ውሉድነት እናተፀበና፥ ብውሽጥና ንግዕር ኣለና።</verse>
				<verse number="24">በዝ ተስፋዙይ ኢና ድሒንና ዘለናሞ። ነቲ ዝረአ ተስፋ ምግባር፥ ተስፋ ኣይኮነን፤ ነቲ ዝሪኦ ተስፋ ዝገብርከ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="25">ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ።</verse>
				<verse number="26">መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና።</verse>
				<verse number="27">እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="28">ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።</verse>
				<verse number="30">ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ፀውዖም፤ ነቶም ዝፀውዖም ድማ ኣፅደቖም፤ ነቶም ዘፅደቖምውን ኣኽበሮም።</verse>
				<verse number="31">እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?</verse>
				<verse number="32">ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?</verse>
				<verse number="33">እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ?</verse>
				<verse number="34">እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="35">ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።</verse>
				<verse number="36"></verse>
				<verse number="37">እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።</verse>
				<verse number="38">ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥</verse>
				<verse number="39">ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!</verse>
				<verse number="6">ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።</verse>
				<verse number="7">ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወለዱ፥ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተ ኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ማለት ከዓ፥ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወለዱ እዮም፥ ደቁ ዝኾኑ እምበር፥ እቶም ብስጋ ዝተወለዱስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን።</verse>
				<verse number="9">እቲ ቓል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመፅእ እየ፤ ሳራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ነበረሞ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ሓደ ኣቦና ይስሓቅ ምስ ጠነሰት፥</verse>
				<verse number="11">ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥</verse>
				<verse number="12">ንርብቃ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ” ዝብል ተነገራ።</verse>
				<verse number="13">እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና? ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን!</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንሙሴ፦ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ እየ፤ ንዝርህርሀሉ ኽርህርሀሉ እየ” ኢልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="17">ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ።</verse>
				<verse number="18">እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣር “ስለ ምንታይ ክሳዕ ሕዚ ዝነቅፍ? ንፍቓዱኸ ዝቃወም መን እዩ?” ትብል ትኸውን።</verse>
				<verse number="20">ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?</verse>
				<verse number="21">ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ?</verse>
				<verse number="22">ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።</verse>
				<verse number="23">ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተ ደለየ፥ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መልእኽተኛታት የምፅእ።</verse>
				<verse number="24">እዚኣቶምውን፥ ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣህዛብ፥ ዝተፀዋዕና ሰባት ኢና።</verse>
				<verse number="25">ኣብ ነቢይ ሆሴዕውን፦ “ነቲ ህዝበይ ዘይኮነ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፤ ነታ ዘይፍቕርተይውን፥ ‘ፍቕርተይ’ ክብላ እየ” ይብል እዩ።</verse>
				<verse number="26">ኣብታ “ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ተብሂሎም ዝተፀውዑላ ስፍራ፥ “ደቂ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም ይብል።</verse>
				<verse number="27">ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ንፍርዱ፥ ኣብ ምድሪ ብርግፅን ብቕልጡፍን ክፍፅሞ እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="29">ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር ፀባዖት፥ ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።</verse>
				<verse number="31">እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን።</verse>
				<verse number="32">ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።</verse>
				<verse number="33">እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥ ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።</verse>
				<verse number="4">ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኻብ እምነት ዝመፅእ ፅድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ “ብልብኻ፥ [ንክርስቶስ ከውርዶ] ‘ናብ ሰማይ ዝድይብ መን እዩ?’ ኣይትበል።</verse>
				<verse number="7">ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] ‘ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?’ ኣይትበል።”</verse>
				<verse number="8">እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን።</verse>
				<verse number="10">ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል።</verse>
				<verse number="12">ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።</verse>
				<verse number="13">“ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።”</verse>
				<verse number="14">ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?</verse>
				<verse number="15">ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?</verse>
				<verse number="16">ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።</verse>
				<verse number="17">እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="18">እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ? እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ” ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">እሞ እስራኤላውያንከ፥ ኣይፈለጡን ድየ ዝብል? ሙሴስ ኣቐዲሙ፦ “ህዝቢ ብዘይኮነ፥ ከቕንኦም እየ፤ ምስትውዓል ብዘይብሉ ህዝቢ እውን፥ ከቈጥዖም እየ” ይብል።</verse>
				<verse number="20">ኢሳይያስውን ደፊሩ፥ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፤ ንዘይጠየቑኒውን ተገለፅኩሎም” ይብል።</verse>
				<verse number="21">ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="3">“ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤ መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤ ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።</verse>
				<verse number="5">ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦ “ኣዒንቶም ከይሪኣ፥ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ዳዊት ከዓ፦ “ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥ መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤</verse>
				<verse number="10">ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤ ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።</verse>
				<verse number="11">እምበኣርከ፥ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም፥ ብበደሎም፥ ንኣህዛብ ምድሓን ኮነሎም።</verse>
				<verse number="12">በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን!</verse>
				<verse number="13">ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተ ኣቕናእኽዎም፥ ካብኣቶምውን ንገሊኣቶም እንተ ኣድሓንኩስ፥ ንኣኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣህዛብ ሃዋርያ ኸም ምዃነይ፥ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?</verse>
				<verse number="16">እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥</verse>
				<verse number="18">ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥</verse>
				<verse number="19">ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን።</verse>
				<verse number="20">ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።</verse>
				<verse number="21">እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ።</verse>
				<verse number="22">እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።</verse>
				<verse number="23">ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24">ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!</verse>
				<verse number="25">ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።</verse>
				<verse number="26">ከምቲ መፅሓፍ “መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤</verse>
				<verse number="29">እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="30">ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም።</verse>
				<verse number="31">ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን።</verse>
				<verse number="32">እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="33">ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።</verse>
				<verse number="34">ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?</verse>
				<verse number="35">ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ?</verse>
				<verse number="36">ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥</verse>
				<verse number="5">ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ፥ በበይኑ ዝኾነ ውህብቶ ዘለና፥ ትንቢት እንተ ኾይኑ፥ ብመጠን እምነት ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤</verse>
				<verse number="8">ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ።</verse>
				<verse number="9">ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤</verse>
				<verse number="12">ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።</verse>
				<verse number="13">ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።</verse>
				<verse number="14">ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ።</verse>
				<verse number="15">ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።</verse>
				<verse number="16">ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።</verse>
				<verse number="18">ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።</verse>
				<verse number="19">ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።</verse>
				<verse number="20">ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።”</verse>
				<verse number="21">ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ብፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ ስልጣን የለንሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ በዓል ስልጣን ይተኣዘዝ። እቶም ዘለዉ ሰብ ስልጣንውን፥ ብእግዚኣብሄር ዝተሸሙ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ስለዙይ፥ ንበዓል ስልጣን ዝቃወም፥ ንስርዓት እግዚኣብሄር እዩ ዝቃወም። እቶም ዝቃወሙ ድማ፥ ንባዕላቶም ቅፅዓት የምፅኡ።</verse>
				<verse number="3">ሰብ ስልጣን፥ ስራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር፥ ስራሑ ፅቡቕ ንዝኾነ፥ ኣየፍርሑን እዮም። ንሰብ ስልጣን ከይትፈርሕ እንተ ደሊኻ፥ ፅቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።</verse>
				<verse number="6">ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ንዅሉ ኸከምዝግብኦ ግበሩ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ፍርሓት ንዝግብኦ ፍርሓት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ሃቡ። ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃቡ።</verse>
				<verse number="8">እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="9">እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።</verse>
				<verse number="13">ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር።</verse>
				<verse number="14">ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ።</verse>
				<verse number="2">ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ፥ ካብታ ኻልእ ኣብሊፁ ይሪኣ፤ እቲ ሓደ ግና፥ ንዅላተን መዓልቲታት ማዕረ ገይሩ ይሪአን። ነፍሲ ወከፍ፥ ልቡ ዝኣመነሉ ይግበር።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ካባና፥ ንባዕሉ ኢሉ ዝነብር ወይ ንባዕሉ ኢሉ ዝመውት፥ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="8">ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን።</verse>
				<verse number="10">ስለ ምንታይ ደኣ፥ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ? ንምንታይከ፥ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ? ኵላትና፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ክንቀውም ኢና።</verse>
				<verse number="11">“ኣነ ህያው እየ፤ ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር ከም ዘየለ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ፥ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">በቲ እትምገቦ ምግቢ፥ ሓውካ ዝጕዳእ እንተ ኾይኑ፥ ብፍቕሪ ኣይኮንካን እትነብር ዘለኻ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሰብ፥ ብትምገቦ ምግቢ ኣይተጥፍኣዮ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሰናይ ነገር እዩ እትብልዎ፥ ካልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="17">መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።</verse>
				<verse number="18">እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።</verse>
				<verse number="20">ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ሓውካ ዝዕንቀፈሉ እንተ ኾይኑ፥ ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሰናይ እዩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ዘለካ እምነት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንባዕልኻ ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እቲ እናተጠራጠረ ዝበልዕ ግና፥ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፥ ኵኑን እዩ፤ ብእምነት ዘይግበር ኵሉ፥ ሓጢኣት እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነፍሲ ወከፍና፥ ንብፃይና ምእንቲ ኽንሃንፆ፥ ሰናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።</verse>
				<verse number="4">በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።</verse>
				<verse number="5">ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግስትን ምፅንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንስንሳትኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፥ ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተቐበለኩም፥ ንስንሳትኩም ተቐባበሉ።</verse>
				<verse number="8">ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ መፅሓፍ፦ “ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ” ዝብሎ፥ ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ደጊሙውን “ኣቱም ኣህዛብ፥ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሓጐሱ” ይብል።</verse>
				<verse number="11">ቀፂሉ ኸዓ፥ “ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ንጐይታ ኣመስግንዎ፤ ኵሎም ህዝብታትውን፥ ይወድስዎ” ይብል።</verse>
				<verse number="12">ኢሳይያስውን፥ “ካብ ሱር እሴይ ክትስእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል።</verse>
				<verse number="13">ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።</verse>
				<verse number="14">ኣሕዋተይ፥ ብሰናይ ነገርን፥ ብዅሉ ፍልጠትን ከም ዝተመላእኹም፥ ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ ፀጋ፥ ከዘኻኽረኩም ደልየ፥ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት፥ ብድፍረት ፅሒፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።</verse>
				<verse number="19">ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።</verse>
				<verse number="20">ከምቲ ኣብ መፅሓፍ፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነገሮም፥ ክሪኡ እዮም፤ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑውን፥ ከስተውዕሉ እዮም” ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ከዓ እየ፥ ናባኻትኩም ካብ ምምፃእ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኸልከልኩ።</verse>
				<verse number="23">ሕዚ ግና ኣብዝ ሃገርዙይ ዝነበረኒ ስራሕ ወንጌል ስለ ዝወዳእኹ፥ ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘውን፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ድልየት ስለ ዝነበረኒ፥</verse>
				<verse number="24">ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ፥ ክሪአኩም በኣኻትኩም ክሓልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ፥ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ሕዚ ግና፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳን ምእንቲ ኸገልግል፥ እኸይድ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ቅዱሳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ነቶም ድኻታት ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ።</verse>
				<verse number="27">ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።</verse>
				<verse number="28">እምበኣር ነዙይ ፈፂመ፥ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ፥ ብኣኻትኩም ኣቢለ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እየ።</verse>
				<verse number="29">ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="30">ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን፥ ምእንታይ ናብ እግዚኣብሄር፥ ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="31">እትፅልዩለይ ከዓ፥ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕንን፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን፥</verse>
				<verse number="32">ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብሓጐስ ናባኻትኩም መፂአ፥ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኸዕርፍን እዩ።</verse>
				<verse number="33">ኣምላኽ ሰላም፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ። ንሳ ንኣይን ንብዙሓትን፥ ኣገልጊላ እያ እሞ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።</verse>
				<verse number="5">ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን፥ ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="6">ነታ ብዙሕ ዝፀዓረትልኩም ማርያም፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="11">ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ርቃሱ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="12">ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ብጐይታ ዝተሓርየ ሩፎንን ንኖኡን፥ ንኣይውን እነይ፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="14">ንኣስቀሪጦንን ንኣፍለሶንጳ ፍሌጐንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="15">ንፍሌጐንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="16">ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።</verse>
				<verse number="17">ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="19">ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="21">ጢሞቴዎስ፥ እቲ መሳርሕተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="24">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን! ኣሜን።</verse>
				<verse number="25">ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።</verse>
				<verse number="26">ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="46">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብቲ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተፀውዐ ጳውሎስን፥ ሓውና ሶስቴኔስን፦</verse>
				<verse number="2">ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥</verse>
				<verse number="3">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ፥ ንኣምላኸይ ኣመስግን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ዘመስግኖ ዘለኹ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም፥ ኣባኻትኩም ፀኒዑ ስለ ዝተረኽበ፥ ብዅሉ ቓልን ብዅሉ ፍልጠትን፥ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም እዩ።</verse>
				<verse number="6"></verse>
				<verse number="7">ስለዙይውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምፃእ ኣብ እትፅበዩሉ፥ ዝጐድለኩም ውህብቶ ፀጋ የለን።</verse>
				<verse number="8">ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ኣሕዋተይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="12">እወ፥ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ፤ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ እየ” ኸም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="13">ክርስቶስዶ፥ ተመቓቒሉ እዩ? ወይ ጳውሎስ ድዩ፥ ምእንታኻትኩም ዝተሰቐለ? ወይ ብስም ጳውሎስ ዲኹም፥ ዝተጠመቕኩም?</verse>
				<verse number="14">ካባኻትኩም፥ ብዘይ ንክርስጶስን ንጋይዮስን፥ ንሓደኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ካባኻትኩም ሓደኳ፥ “ብስም ጳውሎስ ተጠሚቐ” ኽብል ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣለኹ፤ ብዝተረፈ ግና፥ ካልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይፍለጠንን።</verse>
				<verse number="17">ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር፥ ከጥምቕ ኣይለኣኸንንሞ። እንተ ኾነ፥ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝሰብኮ ወንጌል፥ ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመስረተ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="18">ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="19">“ኣነ፥ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ፍልጠት ፈላጣትውን ከፍርስ እየ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩሞ።</verse>
				<verse number="20">ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ፥ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?</verse>
				<verse number="21">ብምኽንያት ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ዓለም ብጥበባ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይፈለጠቶ፥ ነቶም ብዕሽነት ስብከት ዝኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ከድሕኖም ሰናይ ፈቓዱ ኾይኑ እዩሞ።</verse>
				<verse number="22">ኣይሁድ ምልክት ክሪኡ ይጥይቑ፤ ግሪካውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ እዮም፤</verse>
				<verse number="23">ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።</verse>
				<verse number="24">ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ዕሽነት እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ፥ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልፅ እዩሞ፤ ድኻም እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ ኸዓ፥ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩሞ።</verse>
				<verse number="26">ኣሕዋተይ፥ እስኪ ኸመይ ከም ዝተፀዋዕኹም ተመልከቱ፤ ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን፥ ንዑቕን፥ ነቲ ዘይኮነ ነገርን መረፀ።</verse>
				<verse number="29">እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።</verse>
				<verse number="31"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣሕዋተይ፥ ኣነውን ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ፥ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብጥበብ፥ ምስጢር እግዚኣብሄር ክሰብከልኩም ኣይመፃእኹን።</verse>
				<verse number="2">ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ኸዓ፥ ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ፥ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ።</verse>
				<verse number="4">ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="5">እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="7">ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓደኳ ነዝ ጥበብ እዙይ ኣይፈለጦን፤ እንተ ዝፈልጡስ፥ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።</verse>
				<verse number="9">ግና እቲ ፅሑፍ፦ “ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል።</verse>
				<verse number="10">ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና፤ እቲ መንፈስ ቅዱስ፥ ንዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ዓሚቝ ምስጢር፥ ዝምርምር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ የለን። ከምኡውን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎ ሓሳብ፥ ሓደኳ ዝፈልጦ የለን።</verse>
				<verse number="12">ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።</verse>
				<verse number="13">ንሕና ኸዓ፥ መንፈሳዊ ነገር፥ ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና፥ ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ዘይኮነስ፥ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል፥ ንዛረብ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ግና፥ ንዅሉ ይምርምር፤ ንሱ ግና ብሓደኳ ኣይምርመርን እዩ።</verse>
				<verse number="16">“ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉስ፥ ንልቡ ዝፈልጥ መን እዩ?” ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ኸም ስጋውያን፥ ብክርስቶስ ከዓ፥ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህፃናት እምበር፥ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።</verse>
				<verse number="2">ድልዋት ስለ ዘይነበርኩም፥ ዕፁም ብልዒ ዘይኮነስ ፀባ ኣምዓጒኩኹም፤ ሕዚ እውን ድልዋት ኣይኮንኩምን።</verse>
				<verse number="3">እዙይ ከዓ፥ ገና ስጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ፤ ኣብ ማእኸልኩም ቅንእን ባእስን ምህላዉስ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? ከም ዓለማውያንዶ ኣይኮንኩምን እትመስሉ?</verse>
				<verse number="4">ካባኻትኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኻልእ ከዓ “ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ” ዝብል ኣሎሞ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="5">እምበኣርከስ ኣጵሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? ብኣኣቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበፃሕኹም፥ ኣገልገልቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦም እዮም፥ ዘገልግሉ።</verse>
				<verse number="6">ኣነ ተኸልኩ፤ ኣጵሎስ ኣስተየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣዕበየ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ኣነ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ፈላጢ ሓናፂ ኾይነ፥ መሰረት ሰረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንፅ ኣሎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንፅ ይጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="11">ምኽንያቱ፥ ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሰረት ክስርት ዝኽእል፥ ሓደኳ የለንሞ።</verse>
				<verse number="12">ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፥ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብኽቡር እምኒ፥ ብዕንፀይቲ፥ ብሳዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሰርሐ፥</verse>
				<verse number="13">ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="15">ስራሑ ዝተቓፀሎ ሰብ ግና፥ ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተ ኾነ ንሱ ኽድሕን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝድሕን ሰብ እዩ ዝድሕን።</verse>
				<verse number="16">ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ከም ዝኾንኩምን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ሓዲሩ ኸም ዘሎንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="17">ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን።</verse>
				<verse number="19">“ነቶም ጥበበኛታት፥ ብጕርሖም ይሕዞም” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዕሽነት እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="20">ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="21">እምበኣርከስ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ።</verse>
				<verse number="22">ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ።</verse>
				<verse number="23">ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር ሰብ፥ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢራት እግዚኣብሄርን፥ ገይሩ ይቝፀረና።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።</verse>
				<verse number="3">ኣነ እኳ፥ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ፥ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ልዕለይ ምንም ኣይፈልጥን እየሞ፤ በዙይ ግና፥ ንፁህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣሕዋተይ፥ በቲ ሓደ ኽትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ፅሑፍ ኣይትሕለፍ” ዝብሎ፥ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንባዕለይን ንኣጵሎስን፥ ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?</verse>
				<verse number="8">ድሮ ኸዓ ፀገብኩም፤ ሃብተምኩምውን፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገስኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስስ፥ ኣበይሞ ኸም ነገስኩም!</verse>
				<verse number="9">ኣነ ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሃዋርያት፥ ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ ድሕሪ ዅሎም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለዙይ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን፥ መሳለቒ ዄንና ኣለና።</verse>
				<verse number="10">ንሕና፥ ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት፥ ንስኻትኩም ግና፥ ሓያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት፥ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።</verse>
				<verse number="11">ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን።</verse>
				<verse number="12">በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥</verse>
				<verse number="13">ስምና ንዘኽፍኡ፥ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ዅሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና።</verse>
				<verse number="14">እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ከም ተፈተውቲ ደቀይ ክምዕደኩም እምበር፥ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="15">ሺሕ እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እንተ ሃለዉኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሳር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ገሊኣቶም ግና፥ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመፅእ መሲልዎም፥ ብትዕቢት ዝተመልኡ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ሓይሎም ክርኢ እየ።</verse>
				<verse number="20">መንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እምበር፥ ብቓል ኣይኮነትንሞ።</verse>
				<verse number="21">እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመፀኩም?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣብ ኣህዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና፥ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ብፍላይ ካባኻትኩም፥ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ኸም ዘሎ፥ ይውረየኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="2">ተዓቢኹም ኣለኹም፤ ክትጕህዩዶ ግዳ ኣይምተገብአኩምን? ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ርኹስ ግብሪ ዝገበረ እንዶ ግዳ፥ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘይሃለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ። ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ኾይነ ኸዓ፥ ነቲ ኸምዙይ ዝመሰለ ርኽሰት ዝፈፀመ ሰብ፥ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ንስኻትኩም ምስ ተኣከብኩም፥ ኣነውን ብሓይሊ ጐይታ ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ኮይነ፥</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ፥ ብስጋኡ ተቐፂዑ፥ ብመዓልቲ ጐይታ፥ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድሕን እዩ።</verse>
				<verse number="6">ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።</verse>
				<verse number="9">“ምስ ዘማውያን ኣይትተሓወሱ” ኢለ ፅሒፈልኩም ነይረ።</verse>
				<verse number="10">ግና ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘማውያንን፥ ወይ ስሱዓትን ከተርትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተ ዘይኮነስ፥ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብአኩም ነይሩ።</verse>
				<verse number="11">ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤</verse>
				<verse number="12">ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም?</verse>
				<verse number="13">ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ዘለዉ ግና፥ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝፈርዶም። እምበኣር ነቲ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቅዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብፃዩ ኽርክር እንተ ሃልይዎ፥ ጉዳዩ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን ክንዲ ምቕራብ፥ ከመይ ደፊሩ ኣብ ቅድሚ ዘይኣምኑ፥ ንምፍራድ ይቐርብ?</verse>
				<verse number="2">ወይ ከዓ ቅዱሳን፥ ንዓለም ከም ዝፈርዱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዓለም እትፈርዱ ኻብ ኮንኩም ደኣ፥ ነዝ ኣናእሽተይ ነገራት ንምፍራድ ከመይ ዘይትበቕዑ?</verse>
				<verse number="3">ንመላእኽቲ ኸም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር ግዳ፥ ከመይ ዘይንፈርድ?</verse>
				<verse number="4">እሞኸ ደኣ፥ ብነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝዳነ እንተ ሃልዩኩም፥ ስለ ምንታይ ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተንዓቑ ሰባት፥ ፈረድቲ ትገብሩዎም?</verse>
				<verse number="5">ከሕፍረኩም ኢለ እየ ነዙይ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኽዓርቕ ዝኽእል፥ ለባም ሰብዶ የብልኩምን?</verse>
				<verse number="6">እኳ ደኣ፥ ሓው ንሓዉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ!</verse>
				<verse number="7">ኣብ ንሰንሳትኩም ምክሳስ ምህላዉ፥ ብርግፅ ውርደት እዩ፤ እንተ እትብደሉዶ ኣይመሐሸን? እንተ እትግፍዑዶ ኣይምሐሸን?</verse>
				<verse number="8">መሕልፎ ንስኻትኩም ነሕዋትኩም እንተይተረፈ፥ ትብድሉን ትገፍዑን ኣለኹም።</verse>
				<verse number="9">ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥</verse>
				<verse number="10">ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።</verse>
				<verse number="11">ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።</verse>
				<verse number="12">ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዅሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና፥ ናይ ሓደ ነገር እኳ፥ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ።</verse>
				<verse number="13">ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ነዙይን ነቱይን ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄርውን ንሰብነት እዩ እምበር፥ ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ ይግባእ እዩ? ኣይግባእን!</verse>
				<verse number="16">መፅሓፍ “ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብል፥ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፥ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?</verse>
				<verse number="17">እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና፥ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።</verse>
				<verse number="19">ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።</verse>
				<verse number="20">ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ብዛዕባ እቲ ዝፀሓፍኩምለይ ነገር ድማ፥ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ይሐይሽ።</verse>
				<verse number="2">ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ።</verse>
				<verse number="3">ሰብኣይ ንሰበይቱ፥ ዝግብኣ ይግበረላ፤ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝግብኦ ትግበረሉ።</verse>
				<verse number="4">ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር።</verse>
				<verse number="5">ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ግና ኸም ምኽሪ እምበር፥ ከም ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ሰብ ከምዝ ኸማይ ክኸውን ምፈተኹ ነይረ፤ ግና ነፍሲ ወከፍ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበሎ፥ ናይ ፀጋ ውህብቶ ስለ ዘለዎ፥ እቲ ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደውን ከምቱይ፥ ውህብቶ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="8">ንዘይተመርዐዉን ንመበለታትን ግና፥ ከምዝ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ይሐሾም እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ንሰብነቶም ክቈፃፀሩ እንተ ዘይኽኢሎም ግና ይመርዐዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል፥ ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="10">ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ፥ ብናይ ባዕለይ ዘይኮነስ፥ ብናይ ጐይታ ትእዛዝ፥ እእዝዞም ኣለኹ፤ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈላለ።</verse>
				<verse number="11">እንተ ተፈላልያ ግና፥ እንተየእተወት ትንበር፤ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ዝተረፉ ድማ፥ ብጐይታ ዘይኮነስ፥ ኣነ ባዕለይ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፤ ሓደ ኣማኒ፥ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እንተ ሃሊያቶ፥ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፥ ኣይፍትሓያ።</verse>
				<verse number="13">ሰበይቲ እውን ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ እንተ ሃልይዋ፥ ንሱ ኸዓ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፥ ኣይትፍትሓዮ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ፥ ምእንቲ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እውን፥ ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያ እሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን፥ ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣማኒ ዘይኮነ፥ ክፍለ እንተ ደለየ ግና ይፈለ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ እቲ ሓው ወይ እታ ሓፍቲ ኣይግደዱን። እግዚኣብሄር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝፀውዐናሞ።</verse>
				<verse number="16">ኣቲ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን፥ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ እንታይ ትፈልጥ?</verse>
				<verse number="17">ብዝተረፈ ነፍሲ ወከፍ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፥ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን፥ ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="18">ሓደ ኣማኒ ኻባኻትኩም፥ ግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ ድማ፥ ዘይምግራዝ ኣይመነ። ዘይግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ፥ ክግረዝ ኣይድለ።</verse>
				<verse number="19">ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።</verse>
				<verse number="20">ነፍሲ ወከፍ፥ ከምታ እግዚኣብሄር ክፅውዖ እንተሎ ዝነበራ ይንበር።</verse>
				<verse number="21">ባርያ እንተለኻ ዲኻ ዝተፀዋዕኻ? በዙይ ኣይትሕሰብ፤ ሓራ ኽትወፅእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፥ ሓርነትካ ርኸብ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ፥ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተፀውዐ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩ እሞ፥ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="24">ኣሕዋትና፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዖ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምኡ ይንበር።</verse>
				<verse number="25">ብዛዕባ ደናግል ግና፥ እሙን ክኸውን ከም ሓደ ኻብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ፥ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር፥ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="26">እምበኣር ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ፥ ሰብ ከምታ ዘለዋ ኾይኑ ኽነብር ፅቡቕ መሲሉ ይረአየኒ።</verse>
				<verse number="27">ተመርዒኻ እንተ ዄንካ፥ ክትፋታሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዖኻ እንተ ዄንካ፥ ምምርዓው ኣይትድለ።</verse>
				<verse number="28">ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="29">ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ።</verse>
				<verse number="30">እቶም ዝሓዝኑ ኸም ዘይሓዝኑ፥ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ፥ እቶም ዝዕድጉ ኸም ዘየጥረዩ፥</verse>
				<verse number="31">እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ፥ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኾይኖም ይንበሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓላፊት እያ እሞ።</verse>
				<verse number="32">ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ፥ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕሶ፥ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ።</verse>
				<verse number="33">እቲ ዝተመርዐወ ግና፥ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጕሳ፥ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓስብ፤</verse>
				<verse number="34">በዝ ዅነታት እዙይ፥ ሓሳቡ ዝተኸፋፈለ ይኸውን። እታ መበለት ሰበይቲ ወይ ዘይተመርዐወት ድንግል ድማ፥ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኽቕደስ፥ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እያ እትሓስብ። እታ ዝተመርዐወት ግና፥ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፥ ብዛዕባ ናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓስብ።</verse>
				<verse number="35">እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ልብኹም እንተይተኸፍለ፥ ንእግዚኣብሄር ብግቡእ ምእንቲ ኽተገልግሉ፥ ንረብሓኹም ኢለ እየ እምበር፥ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="36">ግና ምእታው ኣብ ዝግብኦ ዕድመ ምስ በፅሐ፥ ስለ ድንግልናኡ ዝሓፍር ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ዝደለዮ ይግበር፤ ሓጢኣት የብሉን ይመርዖ።</verse>
				<verse number="37">እንተይተሃወኸ ብልቡ ዝፀንዐ ግና ኣይግደድን፤ ዝደለዮ ኽገብር ተፈቒድሉ እዩ፤ ድንግልናኡውን ብልቡ ሓልዩ እንተ ፀኒዑ፥ ሰናይ ገበረ።</verse>
				<verse number="38">ስለዙይ ነታ ድንግል ዝተመርዐወ ሰናይ ገበረ፤ ዘይተመርዐወውን ዝበለፀ ገበረ።</verse>
				<verse number="39">ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፥ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ፤ ብእግዚኣብሄር ዝኣምን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር።</verse>
				<verse number="40">ከም ሓሳበይ ግና፥ ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ እትነብር፥ ዝበለፀ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባይ ዘለኒ ይመስለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።</verse>
				<verse number="2">ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="5">ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥</verse>
				<verse number="6">ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።</verse>
				<verse number="7">እዝ ፍልጠት እዙይ ግና፥ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ገሊኣቶም ምምላኽ ጣዖት ከም ልማድ ገይሮምዎ፥ ክበልዑ እንተለዉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ ኢሎም እዮም ዝበልዑ። ሕሊናኦም ድኹም ስለ ዝኾነ ድማ ይረክስ።</verse>
				<verse number="8">ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን።</verse>
				<verse number="9">ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="10">ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን?</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓው፥ ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ፥ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፥ ንሓዋሩ ፈፂመ ስጋ ኣይበልዕን እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ሓራዶ ኣይኮንኩን እየ? ሃዋርያዶ ኣይኮንኩን እየ? ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረአኽዎን ድየ? ንስኻትኩምከ፥ ብጐይታ ፍረ ስራሐይዶ ኣይኮንኩምን?</verse>
				<verse number="2">ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኮንኩ፥ ንኣኻትኩምስ ሃዋርያኹም እየ፤ ማሕተም ሃዋርያነተይ፥ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹምሞ።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="4">ክንበልዕን ክንሰትንዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?</verse>
				<verse number="5">ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን፥ ኣሕዋት ጐይታናን፥ ኬፋን ዝገብርዎ፥ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?</verse>
				<verse number="6">ወይ ከዓ ኣነን በርናባስን ጥራሕ ዲና፥ ብኢድና ፅዒርና ኽንበልዕ ዝግብአና?</verse>
				<verse number="7">እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="9">ኣብ ሕጊ ሙሴ “ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዝብል፥ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ዝግደስ ዘሎ?</verse>
				<verse number="10">ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ፥ ምእንቲ ብተስፋ ኽሓርስ፥ እቲ ዘኽይድውን፥ ምእንቲ ብተስፋ ከኽይድ፥ ገግደኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ፥ ምእንታና እዩ ዝተፅሓፈ።</verse>
				<verse number="11">ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ፥ ናይ ስጋዊ በረኸትኩም እንተ ዓፀድናስ፥ ዓብዪ ነገር ድዩ?</verse>
				<verse number="12">እቶም ካልኦት፥ ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ሃለዎም፥ ንሕና ግዳ፥ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይነዐንቅፍ፥ ንዅሉ ንፀውር ኣለና እምበር፥ ነዝ መሰል እዙይ ኣይተጠቐምናሉን።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም?</verse>
				<verse number="14">ከምኡ ድማ፥ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ፥ ካብ ወንጌል ክናበሩ ሰሪዑሎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ።</verse>
				<verse number="16">ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።</verse>
				<verse number="17">ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ኻብ ኵሉ ሓራ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ምእንቲ ኽጠቅም፥ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርኩ።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኸድሕን፥ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኾንኩ፤ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኸድሕን ከዓ፥ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮንኩ እንተለኹ፥ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፥ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘሎ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="21">ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="22">ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ግና፥ ካብ በረኸቱ ኽካፈል፥ ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="24">ኣብ ሜዳ ቕድድም ኵላቶም ከም ዝጐዩ፥ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና፥ ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር።</verse>
				<verse number="26">ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="27">ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።</verse>
				<verse number="2">ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ።</verse>
				<verse number="3">ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ።</verse>
				<verse number="4">ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።</verse>
				<verse number="7">“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም።</verse>
				<verse number="11">እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ።</verse>
				<verse number="15">መስተውዐልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ፥ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ፥ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ፅዋዕ፥ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት፥ ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቘርሶ ሕብስትኸ፥ ምስ ስጋ ክርስቶስ፥ ሕብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="17">ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና።</verse>
				<verse number="18">እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም?</verse>
				<verse number="19">እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ?</verse>
				<verse number="20">ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን።</verse>
				<verse number="21">ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን።</verse>
				<verse number="22">እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?</verse>
				<verse number="23">ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።</verse>
				<verse number="25">ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ።</verse>
				<verse number="26">ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="27">ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ፥ ክትከዱ እንተ ደለኹም፥ ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃልኹም፤ ኵሉ ዝተቐረበልኩም፥ እንተይመርመርኩም ብልዑ።</verse>
				<verse number="28">ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ።</verse>
				<verse number="29">ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና፥ ናይ ብፃይካ እምበር፥ ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለ ምንታይከ፥ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ?</verse>
				<verse number="30">ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን።</verse>
				<verse number="31">እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።</verse>
				<verse number="32">ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ፥ ብዅሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መዐንቀፍቲ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድሕኑስ፥ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፥ ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ።</verse>
				<verse number="33"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።</verse>
				<verse number="2">ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ኽፅሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ፥ ርእሱ ዝጕልበብ ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርድ።</verse>
				<verse number="5">እታ ኽትፅሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ፥ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ፥ ከምታ ልፅይቲ ርእሲ እያ እሞ፥ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተዋርዶ።</verse>
				<verse number="6">ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና፥ ፀጕራ ትላፀ ወይ ትቈረፅ። ንሰበይቲ፥ ምቝራፅ ወይ ምልፃይ ፀጕራ ዘነውራ እንተ ኾይኑ ትጐልበብ።</verse>
				<verse number="7">ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ።</verse>
				<verse number="8">ሰበይቲ እያ ኻብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር፥ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ።</verse>
				<verse number="9">ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።</verse>
				<verse number="10">በዝ ምኽንያት እዙይን፥ ምእንቲ እቶም መላእኽትን፥ ሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን ናይ ሰብኣያ፥ ክህልዋ ይግባእ።</verse>
				<verse number="11">ብጐይታ ዘለና ህይወት ግና፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፥ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ፥ ከቶ ኣይኸውንን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="13">እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት፥ ናብ እግዚኣብሄር ክትፅሊዶ ይግባእ እዩ?</verse>
				<verse number="14">ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ኣንውሐ፥ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ፥ ኣይምህረኩምን እዩ?</verse>
				<verse number="15">ሰበይቲ ፀጕራ እንተ ኣንውሐት ግና፥ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ኽብረታ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።</verse>
				<verse number="17">ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ፥ ክንዲ ንፅቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ፥ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ፥ ኣይንእደኩምን እየ።</verse>
				<verse number="18">ቅድሚ ዅሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም፥ ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹሞ። ገሊኡ ኸዓ እኣምኖ እየ።</verse>
				<verse number="19">እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="21">ክትበልዑ እንተለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር።</verse>
				<verse number="22">እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።</verse>
				<verse number="24">ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።</verse>
				<verse number="25">ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።</verse>
				<verse number="26">ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።</verse>
				<verse number="27">ስለዙይ እንተይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል።</verse>
				<verse number="28">እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር።</verse>
				<verse number="29">እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ።</verse>
				<verse number="30">በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="31">ንባዕልትና ብትኽክል እንተ እንፈርድስ፥ ኣይምተፈረደናን ነይሩ።</verse>
				<verse number="32">ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና።</verse>
				<verse number="33">ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳትኩም ደኣ ተፀባበዩ።</verse>
				<verse number="34">ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።</verse>
				<verse number="2">ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ስለዙይ ከምቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝዛረብ “ኢየሱስ ርጉም እዩ” ኽብል ዘይኽእል፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">እምበኣርከስ ዝተፈላለየ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ።</verse>
				<verse number="9">ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ።</verse>
				<verse number="10">ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።</verse>
				<verse number="11">ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙሕ እንተሎ፥ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ፥ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።</verse>
				<verse number="14">እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="15">እግሪ፥ “ኣነ ኢድ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለ፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃኑ ይተርፎ እዩ?</verse>
				<verse number="16">እዝኒ ድማ “ኣነ ዓይኒ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለት፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃና ይተርፋ እዩ?</verse>
				<verse number="17">ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ?</verse>
				<verse number="18">ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ።</verse>
				<verse number="19">ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?</verse>
				<verse number="20">ሕዚ ግና፥ እቲ ኣካላት ብዙሕ እንተ ኾነ እኳ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ዓይኒ ንኢድ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፤ ርእሲ ድማ ነእጋር “ኣይደልየኩምን” ክብሎም ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="22">እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ፥ ሕሱር ኣካል ዝመስለና ኸዓ፥ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፤ ንሓፍረትናውን የመና ብኽብሪ ንኽውሎ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።</verse>
				<verse number="25"></verse>
				<verse number="26">ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።</verse>
				<verse number="27">እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።</verse>
				<verse number="29">ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም? ኵላቶምከ ነቢያት ድዮም? ኵላቶምዶ መምህራን እዮም? ኵላቶምከ ገበርቲ ተኣምራት ድዮም?</verse>
				<verse number="30">ኵላቶምዶ ውህብቶ ምፍዋስ ዘለዎም እዮም? ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ዝዛረቡ እዮም? ኵላቶምከ ይትርጕሙ ድዮም?</verse>
				<verse number="31">ነተን ዝዓበያ ውህብቶታት ደኣ ብብርቱዕ ድለዩ። ሕዚ ኸዓ፥ ዝበለፀ መንገዲ ኸርእየኩም እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ተዛረብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከም ዝደምፅ ነሃስ፥ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ፀናፅል እየ።</verse>
				<verse number="2">ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ፍቕሪ ይዕገስ፤ ፍቕሪ ይርህርህ፤ ፍቕሪ ኣይቐንእን፤ ፍቕሪ ኣይምካሕን፤ ኣይዕበይን።</verse>
				<verse number="5">ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።</verse>
				<verse number="6">ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።</verse>
				<verse number="7">ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።</verse>
				<verse number="8">ትንቢት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተ ሃልዩውን፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ኸቶ ኣየቋርፅን እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ፥ ምሉእ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ግና እቲ ፍፁም ዝኾነ ምስ መፀ፥ እቲ ጐደሎ ኽሰዓር እዩ።</verse>
				<verse number="11">ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና፥ ነቲ ነገር ቍልዕነት ሓደግክዎ።</verse>
				<verse number="12">ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊፅኩም ተመነዩ።</verse>
				<verse number="2">ብቛንቋታት ዝዛረብ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ነቲ ዝዛረቦ ዘስተውዕሎ ሓደኳ የለን፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ፥ ምስጢራት እዩ ዝዛረብ።</verse>
				<verse number="3">ትንቢት ዝንበ ግና፥ ንሰብ ዝሃንፅን ዘተባብዕን ዘፀናንዕን እዩ ዝዛረብ።</verse>
				<verse number="4">ብቛንቋታት ዝዛረብ ንባዕሉ ይሃንፅ፤ ትንቢት ዝናገር ግና፥ ንቤተ ክርስቲያን ይሃንፅ።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ ኸዓ ዅልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ድልየተይ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ እንተ ዘይተተርጐመ፥ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ እቲ ዝንበ ይበልፅ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና ኣሕዋተይ፥ ብራእይ ወይ ብፍልጠት፥ ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ፥ ናባኻትኩም መፂአ ብቛንቋታት እንተ ተዛረብኩ፥ እንታይ ምጠቐምኩኹም?</verse>
				<verse number="7">እቲ ህይወት ዘይብሉ፥ ከም እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ፥ ዝደምፅ ነገራት፥ ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ?</verse>
				<verse number="8">መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣስምዐ፥ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ?</verse>
				<verse number="9">ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም፥ ሰብ ብዘይርድኦ ቛንቋ እንተ ተዛረብኩም፥ ነቲ ዝተዛረብኩምዎ፥ መን ክርድኦ ይኽእል? ምስ ንፋስ ከም ዝዛረብ ኢኹም እትኾኑ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ዓለም፥ በበይኑ ዝኾነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፤ ትርጕም ዘይብሉ ግና የለን።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ኣነ ናይቲ ዝተነግረ ቛንቋ ትርጕም ዘይፈልጥ እንተ ኾይነ፥ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ፥ ባዕዲ እየ ዝኾኖ፤ እቲ ዝዛረብ ከዓ፥ ባዕዲ እዩ ዝኾነኒ።</verse>
				<verse number="12">ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ፥ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም፥ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንፁ ውህብቶታት ክበዝሑልኩም ድለዩ።</verse>
				<verse number="13">ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ምትርጓም ምእንቲ ክኽእል ይፀሊ።</verse>
				<verse number="14">ብቛንቋታት እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ እዩ ዝፅሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ።</verse>
				<verse number="15">እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክፅሊ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ።</verse>
				<verse number="16">እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ ክትባርኽ እንተለኻ፥ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ፥ ነቲ እትብሎ እንተ ዘይፈለጦ፥ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ “ኣሜን” ክብል ይኽእል?</verse>
				<verse number="17">ንስኻ ፅቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፤ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነፀሉን።</verse>
				<verse number="18">ካብ ዅልኻትኩም ብዝበለፀ፥ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኖ እየ።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፥ ብቛንቋታት እልፊ ቓላት ካብ ዝዛረብ፥ ብኣእምሮ ሓሙሽተ ቓላት ክዛረብ እፈቱ።</verse>
				<verse number="20">ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ኦሪት፦ “ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ብኻልእ ዝቛንቋኣቶም ሰባትን፥ ብኣፍ ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦም እየ፤ ምስ እዝ ዅሉ እኳ፥ ኣይሰምዑንን እዮም’ ይብል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ብቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ከዓ ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝኣምኑ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እታ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ምስ ተኣከበት፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ብቛንቋታት እንተ ዝዛረብ እሞ፥ ዘይተምሃሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት እንተ ዝመፁ፥ “እዚኣቶም ዓቢዶም እዮም” ኣይምበልዎምንዶ?</verse>
				<verse number="24">ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ኣብ ልቡ ዝተሰወረ ነገርውን ምተገልፀ፤ “ብርግፅ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ” እናበለ ድማ፥ ብገፁ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ምሰገደ።</verse>
				<verse number="26">እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ እንታይ ይሐይሽ? ክትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳቱ መዝሙር ኣለዎ፤ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ራእይ ኣለዎ፤ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ኣለዎ፤ ትርጉም ኣለዎ፤ ዅሉ ውህብቶ፥ ንምሕናፅ ይገበር።</verse>
				<verse number="27">ብቛንቋታት ዝዛረቡ እንተ ሃልዮም፥ ክልተ፥ እንተ በዝሑ ኸዓ ሰለስተ በብተራ ይዛረቡ፤ ሓደ ድማ ይተርጕሞ።</verse>
				<verse number="28">ተርጓሚ እንተ ዘየለ ግና፥ እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፤ ንባዕሉን ንእግዚኣብሄርን ጥራሕ ይዛረብ።</verse>
				<verse number="29">ነቢያት ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም በብተራ ይዛረቡ፤ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ።</verse>
				<verse number="30">ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ፥ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልፀሉ ግና፥ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል።</verse>
				<verse number="31">ኵላቶም ምእንቲ ኽመሃሩ፥ ኵላቶምውን ምእንቲ ኽተባብዑስ፥ ኵልኻትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="32">እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="33">እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="34">ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።</verse>
				<verse number="35">ክመሃራ እንተ ደለያ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣተን ንሰብኡተን ይጠይቓ፤ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="36">ቃል እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ? ወይ ኣባኻትኩም ጥራሕ ድዩ በፂሑ?</verse>
				<verse number="37">ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምዃኑ ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="38">ነዙይ ኽፈልጥ ዘይደሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱውን ኣይፍለጥን።</verse>
				<verse number="39">ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ክትንበዩ ሃረር በሉ፤ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፤</verse>
				<verse number="40">እንተ ኾነ ዅሉ ብስርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል፥ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩምዎ እንተ ሃሊኹምስ፥ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እምነትኩም ከንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ፥ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ፦ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፤</verse>
				<verse number="4">ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተስአ”</verse>
				<verse number="5">ንጴጥሮስ ተርኣዮ፤ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ተርአዮም።</verse>
				<verse number="6">ብድሕሪኡ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት፥ ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም።</verse>
				<verse number="7">ብድሕሪኡ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ንዅላቶም ሃዋርያት ተርአየ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪ ዅላቶም ድማ፥ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርኣየኒ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም፥ ነዙይ ኢና እንሰብኽ ዘለና፤ ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝኣመንኩም።</verse>
				<verse number="12">ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተስአ ኻብ ተሰበኸ፥ ከመይ ኢሎም ደኣ ኻባኻትኩም፥ ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ?</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ትንሳኤ ሙታን ዘየለ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን።</verse>
				<verse number="14">ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።</verse>
				<verse number="15">እግዚኣብሄር ንክርስቶስ ከም ዘተስኦ መስኪርና ኔርና፤ ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተስኦን። ንሕና ኸዓ ሓሰውቲ መሰኻኽር እግዚኣብሄር ኴንና ንርከብ ኣለና።</verse>
				<verse number="16">ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን።</verse>
				<verse number="17">ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።</verse>
				<verse number="18">እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ኸዓ፥ ጥፉኣት እዮም።</verse>
				<verse number="19">ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና።</verse>
				<verse number="20">ክርስቶስ ግና ኻብ ሞት ተስአ፤ በዙይ ከዓ፥ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሳኤ ኾነ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="23">ግና ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተስአ፤ ደሓር ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ክትስኡ እዮም።</verse>
				<verse number="24">ክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ስዒሩ፥ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣብ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="26">እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ።</verse>
				<verse number="27">መፅሓፍ “እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ” ይብል፤ እንተ ኾነ፥ “ኵሉ ኣግዚኡሉ እዩ” ኽብል እንተሎ ግና፥ ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ኵሉ ምስ ተገዝአሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን፥ ወልድ ባዕሉ፥ ነቲ ዅሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ።</verse>
				<verse number="29">እንተ ዘይኮነ፥ እቶም ክንዲ ምዉታን ዝጥመቑ ደኣ፥ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ብሱሩ ምዉታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖምከ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኽንድኣቶም ዝጥመቑ?</verse>
				<verse number="30">ስለ ምንታይከ ንሕና ዅሉ ጊዜ ንመከራ እንቃላዕ?</verse>
				<verse number="31">ኣሕዋተይ፥ ኣነ በብመዓልቱ ሞት ዘጋጥመኒ ዘሎ፥ በቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸም ዝኾነ፥ ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="32">ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?</verse>
				<verse number="33">ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።</verse>
				<verse number="34">ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።</verse>
				<verse number="35">ገሊኡ ሰብ ግና “ምዉታን ከመይ ኢሎም እዮም ዝትስኡ? ከመይ ዝበለ ሰብነትከ እዩ ኽህልዎም?” ዝብል ይህሉ ይኸውን።</verse>
				<verse number="36">ኣታ ዓሻ! እቲ ንስኻ እትዘርኦ እንተይሞተ፥ ህይወት ኣይረክብን እዩ።</verse>
				<verse number="37">እቲ እትዘርኦ ድማ፥ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራሕ እዩ እምበር፥ ነቲ ዝኸውን ኣካል ኣይኮንካን እትዘርኦ።</verse>
				<verse number="38">ኣምላኽ ግና፥ ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን፥ ነናቱ ኣካል ይህቦ።</verse>
				<verse number="39">ስጋ ሰብ በይኑ፥ ስጋ እንስሳ በይኑ፥ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፥ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፥ ኵሉ ስጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ።</verse>
				<verse number="40">ሰማያዊ ኣካል ኣሎ፤ ምድራዊ ኣካል ከዓ ኣሎ፤ ግና ኽብሪ እቲ ሰማያዊ በይኑ፥ ክብሪ እቲ ምድራዊውን በይኑ እዩ።</verse>
				<verse number="41">ክብሪ ፀሓይ በይኑ፥ ክብሪ ወርሒ በይኑ፥ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፤ ብኽብርስ፥ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልፅ እዩ።</verse>
				<verse number="42">ትንሳኤ ሙታንውን ከምኡ እዩ፤ ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትስእ።</verse>
				<verse number="43">ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ።</verse>
				<verse number="44">ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፥ መንፈሳዊ ኣካል ይትስእ። ስጋዊ ኣካል እንተ ሃልዩ፥ መንፈሳዊ ኣካልውን ኣሎ።</verse>
				<verse number="45">“እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም፥ ህያው ነፍሲ ኾነ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።</verse>
				<verse number="46">ግና ቕድም እቲ ስጋዊ፥ ደሓር ከዓ፥ እቲ መንፈሳዊ እዩ እምበር፥ እቲ መንፈሳዊ መጀመርታ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="47">እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ።</verse>
				<verse number="48">እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም።</verse>
				<verse number="49">ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።</verse>
				<verse number="50">ግና ኣሕዋተይ፥ ስጋን ደምን፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፥ እቲ መዋታይ ነቲ ዘይመውት ከም ዘይወርስ፥ እነግረኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="51">እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።</verse>
				<verse number="52"></verse>
				<verse number="53">እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ።</verse>
				<verse number="54">እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦ “ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።</verse>
				<verse number="55">“ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?”</verse>
				<verse number="56">ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።</verse>
				<verse number="57">ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።</verse>
				<verse number="58">ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋፃእ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ገላትያ ንዘለዉ ምእመናን ከም ዝሰራዕኽዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ።</verse>
				<verse number="3">ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ምሳይ ይኸዱ።</verse>
				<verse number="5">ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየሞ፥ ናብ መቄዶንያ እንትሓልፍ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።</verse>
				<verse number="6">ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።</verse>
				<verse number="7">ከም ሓላፊ መንገዲ ኾይነ ኽሪአኩም ኣይደልን እየሞ፥ እግዚኣብሄር እንተ ፈቒድዎ፥ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክፀንሕ ተስፋ ኣለኒ።</verse>
				<verse number="8">ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ።</verse>
				<verse number="9">ዓቢይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙሓት እዮም።</verse>
				<verse number="10">ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።</verse>
				<verse number="11">ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።</verse>
				<verse number="12">ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤</verse>
				<verse number="14">ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።</verse>
				<verse number="15">ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ።</verse>
				<verse number="18">ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።</verse>
				<verse number="19">እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="20">ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="21">እዛ ሰላምታ እዚኣ፥ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝፀሓፍክዋ እያ።</verse>
				<verse number="22">ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!</verse>
				<verse number="23">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="24">ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="47">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን፥ ምስቶም ኣብ ኵላ ሃገር ኣካይያ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን።</verse>
				<verse number="2">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ።</verse>
				<verse number="4">በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ኣብ መከራና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም፥ ኣብ ምፅንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ፥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ፅንዕቲ እያ።</verse>
				<verse number="8">ኣሕዋትና፥ ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ንህይወትና ቐቢፅናያ ነበርና።</verse>
				<verse number="9">እወ፥ ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ።</verse>
				<verse number="10">ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ንስኻትኩም ከዓ ብፀሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙሓት ፀሎት እንረኽቦ ውህብቶ ፀጋ ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።</verse>
				<verse number="12">ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።</verse>
				<verse number="13">ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን፥ ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመፀላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና፥ ኣፀቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">በዙይ ርግፀኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመፅእ ደልየ ነይረ።</verse>
				<verse number="16">በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ፥ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ “እወ፥ እወ” ኽብል ፀኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም፥ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ?</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር እሙን ከም ዝኾነ ዝነገርናኩም ቃልና “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="19">እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር።</verse>
				<verse number="20">ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል።</verse>
				<verse number="21">እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="22">ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።</verse>
				<verse number="24">ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ስለዙይ ብሓዘን፥ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመፅእ ወሰንኩ።</verse>
				<verse number="2">ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ?</verse>
				<verse number="3">እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።</verse>
				<verse number="4">ብብዙሕ መከራን ጭንቀት ልብን፥ ብብዙሕ ንብዓትን ዝፀሓፍኩልኩም፥ ክሳዕ ኽንደይ ኣፀቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፥ ምእንቲ ኸሕዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="5">ሰብ ዘሕዘነ እንተ ሃልዩ፥ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከየኽብዶ ደኣ እምበር፥ ንዅልኻትኩም እዩ ዘሕዘነ።</verse>
				<verse number="6">ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ ተግሳፅ ይኣኽሎ እዩ።</verse>
				<verse number="7">እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ምስኡ ፍቕርኹም ክተፅንዑ እምዕደኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ።</verse>
				<verse number="11">እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="12">ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።</verse>
				<verse number="13">ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።</verse>
				<verse number="14">ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።</verse>
				<verse number="15">ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="16">ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?</verse>
				<verse number="17">ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ከምዙይ ክንብል እንተለና፥ ገና ንባዕልትና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ፥ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም፥ ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ?</verse>
				<verse number="2">እታ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን፥ ኣብ ልብና ዝተፅሓፈት ናይ ናእዳ መልእኽትና፥ ንስኻትኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ፥ በቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለና፥ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ።</verse>
				<verse number="5">ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።</verse>
				<verse number="6">ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="7">ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥</verse>
				<verse number="8">እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ?</verse>
				<verse number="9">እቲ ዅነኔ ዘስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረ፥ እቲ ፅድቂ ዘስዕብ ኣገልግሎት ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ዘይኸብር?</verse>
				<verse number="10">እቲ ኽቡር ዝነበረ፥ እዝ ኻብኡ ዝኸበረ ብምምፃኡ ኽብሪ ኸም ዘይነበሮ ኾነ።</verse>
				<verse number="11">እቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሓላፊ፥ ብኽብሪ ኻብ መፀ፥ እቲ ፀኒዑ ዝነብር ደኣ ኸመይ ኣብሊፁ ብኽብሪ ዘይኸውን!</verse>
				<verse number="12">ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።</verse>
				<verse number="13">ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንፅብራቕ ገፁ፥ ደቂ እስራኤል ከይሪእዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን።</verse>
				<verse number="14">እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="15">እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ፥ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና፥ እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።</verse>
				<verse number="2">እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።</verse>
				<verse number="3">እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ፥ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ።</verse>
				<verse number="6">እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።</verse>
				<verse number="7">ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።</verse>
				<verse number="8">ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤</verse>
				<verse number="9">የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን።</verse>
				<verse number="10">ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን፥ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅልሻዕ ንፀውር ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ኽገሃድ ድማ፥ ንሕና ብህይወት እንነብር ዘለና፥ ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵልሻዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ ሞት ኣባና፥ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ከምቲ “ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተስኦ፥ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተስአናን፥ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቑመናን፥ ንፈልጥ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="15">እዝ ዅሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ብዙሕ ፀጋ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርክት እንተሎ፥ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ምስጋና፥ ክበዝሕ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="2">ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ኽንለብስ ከዓ፥ ንናፍቕ ኣለና።</verse>
				<verse number="3">ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ።</verse>
				<verse number="4">ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና።</verse>
				<verse number="7">ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።</verse>
				<verse number="8">ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።</verse>
				<verse number="9">ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና።</verse>
				<verse number="10">ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ፥ ንዅሉ ሰብ ነረድእ ኣለና፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ግሁዳት ኢና፤ ንሕሊናኹምውን፥ ግሁዳት ከም ዝኾንና ተስፋ እገብር።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን።</verse>
				<verse number="13">ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ።</verse>
				<verse number="14">ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።</verse>
				<verse number="16">እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።</verse>
				<verse number="18">እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="19">እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።</verse>
				<verse number="20">ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="21">ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="2">“ብሕርይቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ” ኸም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።</verse>
				<verse number="3">ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ፥ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፥ መዐንቀፊ ኣይንህብን ኢና።</verse>
				<verse number="4">እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ንባዕልትና ነቕርብ። ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብሽግር፥</verse>
				<verse number="5">ብመግረፍቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብሁከት፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ብምስኣን፥ ብጥምየት፥</verse>
				<verse number="6">ነዙይ ከዓ ብቕድስና፥ ብምስትውዓል፥ ብዓቕሊ፥ ብለውሃት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብሓቀኛ ፍቕሪ፥</verse>
				<verse number="7">ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥</verse>
				<verse number="8">ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና።</verse>
				<verse number="9">ከም ዘይተፈለጥና፥ ግናኸ ኣፀቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና፥ ግና እንሆ ህያዋን ኢና። ከም ቅፁዓት፥ ግናኸ ኣይተቐተልናን።</verse>
				<verse number="10">ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ፥ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፤ ልብናውን ኣስፊሕና ኢና።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝፀበበኩም እምበር፥ ኣባናስ ኣይፀበበኩምን።</verse>
				<verse number="13">ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፥ ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ልብኹም ኣስፍሑ።</verse>
				<verse number="14">ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ፥ ምስቶም ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ፤ ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?</verse>
				<verse number="15">ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?</verse>
				<verse number="16">መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።</verse>
				<verse number="17">“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።</verse>
				<verse number="18">ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።</verse>
				<verse number="2">ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን።</verse>
				<verse number="3">እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና።</verse>
				<verse number="4">ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።</verse>
				<verse number="5">ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።</verse>
				<verse number="6">እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።</verse>
				<verse number="7">ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ።</verse>
				<verse number="8">ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="2">ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም።</verse>
				<verse number="3">ባዕልቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞምን፥ አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን፥ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ።</verse>
				<verse number="4">ቅዱሳን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ፥ ግደ ኽወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና።</verse>
				<verse number="5">ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ።</verse>
				<verse number="9">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ይጠቕመኩም እዩሞ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝምዕደኩም፥ ብምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንምሃብ ብምሕሳብውን፥ ቀዳሞት ዝነበርኩም ንስኻትኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ድልየት፥ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ፥ ነቲ ሰናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈፅምዎ።</verse>
				<verse number="12">ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።</verse>
				<verse number="13">እዙይ ከዓ ንኣኣቶም ክምችዎም፥ ንኣኻትኩም ግና ክፅግመኩም ኢለ ዘይኮነስ፥ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ፥ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ፥ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ።</verse>
				<verse number="18">ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል፥ ብዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ሓው፥ ንሰደልኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="19">ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ዘለና ሓልዮትን፥ ክነርኢ ኢልና፥ ናይ ልግሲ ፀጋ ኽነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፥ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓረያኦ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመሓድር፥ እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና።</verse>
				<verse number="21">ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="22">ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።</verse>
				<verse number="23">ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።</verse>
				<verse number="24">እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።</verse>
				<verse number="2">ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ። “እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ካብ ዓሚ ጀሚሮም፥ ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም” እናበልኩ፥ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ፥ ንብዙሓት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ በዝ ተግባር እዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን ግና፥ ከምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትፀንሑ፥ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ነቲ ቕድም ኢሉ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ውህብቶ፥ ተዳልዩ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቶም ኣሕዋት ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር፥ ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ መፅሓፍ “ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር” ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">እቲ ንዘራኢ ዘርኢ፥ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ፥ ዘርኢ ኽህበኩምን ከበርክተልኩምን፥ ናይ ፅድቅኹም ፍረውን ከብዝሐልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኵልሻዕ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዅሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ውህብቶኹም፥ ብኢድና ኣቢሉ ዝበፅሖም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፥ ናይቶም ቅዱሳን ጐደሎ ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄር ዝበለፀ ምስጋና ኸም ዝቐርብ ይገብር እዩ።</verse>
				<verse number="13">እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ንሳቶም ንኣኻትኩም ይፅልዩልኩም እዮም። ስለ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ መጠን ዘይብሉ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ክሪኡኹም ይናፍቑ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ስለ እቲ ኽንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ብስጋዊ መንገዲ ኸም እንነብር ገይሮም ዝቘፅሩና ሰባት፥ ብድፍረት ክምልሰሎም እኽእል እየ፤ እንተ ኾነ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብድፍረት ኣብ ምዝራብ ከይተብፅሑኒ፥ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።</verse>
				<verse number="4">ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ብተኣዛዝነት ፍፁማት ምስ ኮንኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘይእዘዝ፥ ክንቀፅዖ ድልዋት ኢና።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ተመልከቱ፤ ሓደ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ዝኣምን እንተ ሃልዩ፥ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዝተርድአ፥ ንሕናውን ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾንና፥ ክሓስብ ይግብኦ።</verse>
				<verse number="8">በቲ ጐይታ ንመፍረሲኹም ዘይኮነስ፥ ንምህናፅኩም ዝሃበና ስልጣን፥ ቁሩብ ሕልፊ ገይረ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ፥ ኣይሓፍርን እየ።</verse>
				<verse number="9">ብመልእኽታተይ ገይረ፥ ከፈራርሐኩም ዝደለኹ ኣይምሰልኩም።</verse>
				<verse number="10">ሓድሓደ ሰባት “እተን መልእኽቲታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል እንትረአ ግና፥ ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="11">እቶም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ርሑቕ እንተለና ብመልእኽቲታትና እንብሎ፥ ብኣካል ኣብኡ ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ ከምኡ ኸም እንብል ይፍለጡ።</verse>
				<verse number="12">ምስቶም ባዕልቶም ንባዕላቶም ዝንእዱ፥ ርእስና ኽንቈፅር ወይ ክነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ንሳቶም ንርእሶም፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዛዝኑ፥ ንርእሶም ከዓ፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዓራርዩ፥ ዘየስተውዕሉ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንሕና ግና ናባኻትኩም ክሳዕ እንበፅሕ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝወሰነልና መጠን እምበር፥ ካብ መጠን ሓሊፍና ኣይንምካሕን ኢና።</verse>
				<verse number="14">ቅድሚ ዅሉ፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና፤ ስለዙይ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና፥ ካብ ዝተወሰነልና ዝሓለፍና ኣይመስለንን።</verse>
				<verse number="15">ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ሓሊፍና፥ በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ፥ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ፥ ተስፋ ንገብር ኣለና።</verse>
				<verse number="16">ኣብቲ ኻልኦት ኣቐዲሞም ብዝሰርሑሉ እንተይተመካሕና፥ ካባኻትኩም ሓሊፍና፥ ናብ ካልኦት ሃገራት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።</verse>
				<verse number="17">“እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥</verse>
				<verse number="18">እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደለኹ፤ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ።</verse>
				<verse number="2">ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ስለ ምንታይ፥ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፥ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ፥ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን።</verse>
				<verse number="6">ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።</verse>
				<verse number="7">ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ፥ ርእሰይ ኣትሒተ፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ፥ ሓጢኣት ገይረ እየ?</verse>
				<verse number="8">ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፥ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ፥ ወፂዐየን እየ።</verse>
				<verse number="9">ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ።</verse>
				<verse number="13">ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።</verse>
				<verse number="14">ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።</verse>
				<verse number="17">ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="18">ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም፥ ነቶም ዓያሹ፥ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣለኹም፤</verse>
				<verse number="20">ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="21">ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር፥ ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተ ሃልዩ ግና፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዅሉ ግና፥ ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="22">ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ።</verse>
				<verse number="23">ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣነ እበልፆም። ካብኣቶም ሕልፊ ዝፀዓርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበፃሕኹ እየ።</verse>
				<verse number="24">ሓሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ።</verse>
				<verse number="25">ሰለስተ ሻዕ፥ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። እታ ዝነበርክዋ መርከብ፥ ሰለስተ ሻዕ ተሰብረት። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን፥ ኣብ ባሕሪ ፀለል በልኩ።</verse>
				<verse number="26">ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ።</verse>
				<verse number="27">ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ።</verse>
				<verse number="28">ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="29">መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ?</verse>
				<verse number="30">ምምካሕ ዝግባእ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ።</verse>
				<verse number="31">እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመሓድር ዝነበረ ሹም፥ ክሕዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ።</verse>
				<verse number="33">ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ብምምካሕ ዝርከብ ጥቕሚ እንተ ዘይሃለወኳ፥ ምምካሕ እንተ ኣድልዩስ፥ ካብ ጐይታ ብዘሎ ራእይን ምግላፅን፥ ክምካሕ እየ።</verse>
				<verse number="2">ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።</verse>
				<verse number="3">እዝ ሰብ እዙይ ዝተወሰደ፥ ብስጋ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።</verse>
				<verse number="4">እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወሰደ፤ ኣብኡ ከዓ ኽንገር ዘይከኣል፥ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ሰምዐ።</verse>
				<verse number="5">በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ኽምካሕ እየ፤ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፥ ብድኻመይ እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ።</verse>
				<verse number="6">ክምካሕ እንተ ዝደልስ፥ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ከም ዓሻ ኣይምተቘፀርኩን። ኣነ ግና፥ ሕዚ ሓደኳ ብዛዕባይ፥ ልዕሊ እቲ ኣባይ ዝሪኦን፥ ካባይ ዝሰምዖን ምእንቲ ኸይግምተኒ፥ ሸለል ኢለ እሓድጎ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።</verse>
				<verse number="8">እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ፥ ንጐይታ ሰለስተ ሻዕ ለመንክዎ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።</verse>
				<verse number="10">እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።</verse>
				<verse number="12">ኣነ ሃዋርያ ኸም ዝኾንኩ ዘረድእ፥ ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ዘደንቕ ነገራትን፥ ምስ ብዙሕ ትዕግስቲ፥ ኣብ ማእኸልኩም ተገይሩ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ሓግዙኒ ብምባል፥ ንኣኻትኩም ዘይምፅጋመይ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብቶም ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘጕደልኩልኩም እንታይ እዩ? እዚኣ በደል እንተ ደኣ ኾይና፥ ይቕረ በሉለይ።</verse>
				<verse number="14">እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?</verse>
				<verse number="16">ሸኽሚ ኣይኮንኩኹምን፥ ግና ብጕርሒ ተጣቢበ ዝሓዝኩኹም እምበር።</verse>
				<verse number="17">በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽኩዎም ገይረዶ፥ ተበሊፀልኩም እየ?</verse>
				<verse number="18">ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ሓው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊፁልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን፥ ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ፥ ኣይኮንናን እንሰርሕ?</verse>
				<verse number="19">ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ከምኡውን እግዚኣብሄር ብሰንክኹም ከየሕፍረኒ፥ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ፥ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብዙሓት እንተይተነስሁ ኸይፀንሑ እሞ፥ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ናባኻትኩም እንትመፅእ፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜይ እዩ። “ነገር ዝቐውም፥ ብኣፍ ክልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ።”</verse>
				<verse number="2">ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤</verse>
				<verse number="3">እዙይውን፥ ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገፂ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ፥ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ እምበር፥ ብድኻም ኣይግለፅን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።</verse>
				<verse number="5">ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ንሕና ግና፥ ብቑዓት ከም ዝኾንና፥ ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር።</verse>
				<verse number="7">ከቶ ኽፉእ ኸይትገብሩ፥ ንእግዚኣብሄር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቘፀርና እኳ፥ ንስኻትኩም ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር፥ ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን፥ እንፅልዮ ዘለና።</verse>
				<verse number="8">ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር፥ ንሓቂ ዝፃረር፥ ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ።</verse>
				<verse number="9">ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ።</verse>
				<verse number="13">ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="14">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="48">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥</verse>
				<verse number="2">ካብቶም ኵሎም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥</verse>
				<verse number="3">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።</verse>
				<verse number="5">ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤</verse>
				<verse number="7">እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን።</verse>
				<verse number="8">ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።</verse>
				<verse number="9">ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።</verse>
				<verse number="10">በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።</verse>
				<verse number="13">ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="14">ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥</verse>
				<verse number="16">ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።</verse>
				<verse number="17">ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርኢ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።</verse>
				<verse number="18">ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከዓ፥ ንኬፋ ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀናሕኹ።</verse>
				<verse number="19">እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን።</verse>
				<verse number="20">እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ።</verse>
				<verse number="22">እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።</verse>
				<verse number="23">“እቲ ቐደም ዘሳጕጐና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ።</verse>
				<verse number="24">ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሄር ኣመስገና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን።</verse>
				<verse number="6">እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።</verse>
				<verse number="7">እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ንኣይሁድ ሃዋርያ ክኸውን ንጴጥሮስ ዝሰርሐ፥ ንኣይውን ሃዋርያ ኣህዛብ ክኸውን ሰሪሑ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።</verse>
				<verse number="10">ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝተግሀሉ ነገር እዩ።</verse>
				<verse number="11">ጴጥሮስ ናብ ኣንፆኪያ ምስ መፀ ግና፥ ተጋግዩ ስለ ዝነበረ ኽውቀስ ይግብኦ ነበረ፤ ኣነውን ገፅ ንገፅ ተቓወምክዎ።</verse>
				<verse number="12">ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።</verse>
				<verse number="15">ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን።</verse>
				<verse number="16">ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።</verse>
				<verse number="17">ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን!</verse>
				<verse number="18">ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="20">ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="21">ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?</verse>
				<verse number="2">ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን?</verse>
				<verse number="3">ክሳዕ ክንድዙይዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም፥ ሕዚ ብስጋ ኽትፍፅሙዶ ትደልዩ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="4">ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ፥ ንኸንቱዶ ጌርኩምዎ?</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈፀምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ስለ ዝኣመንኩም?</verse>
				<verse number="6">ከምኡ ኸዓ ኣብርሃም “ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ እምነቱውን ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”</verse>
				<verse number="7">እምበኣር እቶም ዝኣመኑ ሰባት፥ ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="8">መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።</verse>
				<verse number="10">“ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።</verse>
				<verse number="11">ሕዚ ግና “ፃድቕ ብእምነት ይነብር” ከም ዝብሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ኸም ዘየለ ርግፅ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።</verse>
				<verse number="13">“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።</verse>
				<verse number="14">እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽወርድ፥ ንሕና ኸዓ ተስፋ መንፈስ [ቅዱስ]፥ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣሕዋተይ፥ ከም ልማድ ሰብ እብል ኣለኹ፤ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን፥ ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="16">እቲ ተስፋ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙሓት ከም ዝብል “ነዝርእትኻ” ኣይበለን፤ እንተ ኾነ ንሓደ ኸም ዝብል “ንዘርእኻ” በለ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፥ ሕጊ መፀ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ፥ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ቀደም ዘፅንዖ ኺዳን፥ ኣየፍርሶን እዩ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ዝውረስ፥ ብሕጊ እንተ ዝኸውንስ፥ ደጊም ብተስፋ ኣይምኾነን ነይሩ። እግዚኣብሄር ግና፥ ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ።</verse>
				<verse number="19">ሕጊ ደኣ ንምንታይ መፀ? እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ሓጢኣት እንታይ ከም ዝኾነ ኽገልፅ፥ ዝተወሰኸ እዩ። ብመላእኽቲ ኣቢሉ፥ ብኢድ እቲ ዓራቒ ዝኾነ እዩ ዝተውሃበ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ዓራቒ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን እምበር፥ ንሓደ ኣይኸውንን፤ እግዚኣብሄር ግና ሓደ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እምበኣር ሕጊ፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን፤ ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ፥ ተውሂቡ ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።</verse>
				<verse number="23">እዛ እምነት እዚኣ ቕድሚ ምምፃኣ፥ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተፀበና፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተዓፂና ንሕሎ ነበርና።</verse>
				<verse number="24">ስለዙይ ከዓ ብእምነት ምእንቲ ኽንፀድቕስ፥ ናብ ክርስቶስ ከብፅሐና፥ እቲ ሕጊ ሞጕዚት ኮነና።</verse>
				<verse number="25">እምነት ምስ መፀት ግና፥ ደጊም ትሕቲ ሞጕዚት ምዃን ኣየድልየናን።</verse>
				<verse number="26">ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።</verse>
				<verse number="27">ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኵልኻትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="28">ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።</verse>
				<verse number="29">እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን።</verse>
				<verse number="2">ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።</verse>
				<verse number="4">ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።</verse>
				<verse number="7">ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።</verse>
				<verse number="8">ቀደም ንእግዚኣብሄር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም፥ ነቶም ብባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፥ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም።</verse>
				<verse number="9">ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም?</verse>
				<verse number="10">ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልቲታትን ኣዋርሕን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="11">ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።</verse>
				<verse number="13">ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።</verse>
				<verse number="15">እቲ ምሕጓስኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ፥ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ፥ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?</verse>
				<verse number="17">ኣበርቲዖም ይደልዩኹም ኣለዉ፤ ግና ንፅቡቕ ኣይኮነን፤ ንኣኣቶም ምእንቲ ኽትደልዩ፥ ክፈልዩኹም ኢሎም እዮም እምበር።</verse>
				<verse number="18">ንፅቡቕ ደኣ ይኹን እምበር፥ ንሰብ ምሕላይ ሰናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵልሻዕ ክኸውን ኣለዎ።</verse>
				<verse number="19">ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ።</verse>
				<verse number="22">ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት፥ ሓደ ኻብታ ባርያ፥ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተፅሒፉ እዩ።</verse>
				<verse number="23">ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ።</verse>
				<verse number="24">እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት፥ እታ ንባርነት እትወልድ፥ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ።</verse>
				<verse number="25">ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ።</verse>
				<verse number="26">እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።</verse>
				<verse number="27">“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፥ ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ንምውላድ ዘይፀዓርኪ ዕልል በሊ፤ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ንበይና ዘላ ይበዝሑ” ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ።</verse>
				<verse number="28">ኣሕዋተይ፥ ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና።</verse>
				<verse number="29">ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ።</verse>
				<verse number="30">እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል።</verse>
				<verse number="31">ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ፥ ኣነ ጳውሎስ እነግረኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም፥ ክርስቶስ ፈፂሙ ኣይጠቕመኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ፥ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ኽፍፅሞ ግቡኡ ኸም ዝኾነ፥ ደጊመ እምስክር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ንሕና ግና፥ ብመንፈስ ብእምነት ክንፀድቕ ተስፋ ጌርና ንፅበ ኣለና።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።</verse>
				<verse number="7">ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?</verse>
				<verse number="8">እዛ ምሕባል እዚኣ፥ ካብቲ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር ኣይመፀትን።</verse>
				<verse number="9">ውሑድ ማይ ብሒቝ፥ ንዅሉ እቲ ብሒቝ የብኵዖ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።</verse>
				<verse number="13">ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።</verse>
				<verse number="14">ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።</verse>
				<verse number="15">ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን፥ እንተ ተባላዕኹምን ግና፥ ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="16">ኣነ ግና ብመንፈስ ተመላለሱ፤ ድልየት ስጋ ኸዓ፥ ኣይትፈፅሙ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።</verse>
				<verse number="18">ብመንፈስ እንተ ተመሪሕኩም ግና፥ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን።</verse>
				<verse number="19">ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥</verse>
				<verse number="20">ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥</verse>
				<verse number="21">መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም።</verse>
				<verse number="22">ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥</verse>
				<verse number="23">ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን።</verse>
				<verse number="24">እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።</verse>
				<verse number="26">ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="2">ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።</verse>
				<verse number="4">እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።</verse>
				<verse number="7">ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።</verse>
				<verse number="9">እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።</verse>
				<verse number="11">ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት፥ ብኢደይ ከም ዝፀሓፍኩልኩም ረአዩ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ብስጋ ኽምክሑ ዝደልዩ ሰባት፥ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ፤ ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ፥ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ፥ ከይስደዱ ኢሎም እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፥ ክትግረዙ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፥ እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም፥ ንሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።</verse>
				<verse number="15">ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን።</verse>
				<verse number="16">ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።</verse>
				<verse number="17">ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።</verse>
				<verse number="18">ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="49">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥</verse>
				<verse number="2">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="3">እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።</verse>
				<verse number="5">ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና።</verse>
				<verse number="6">እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ነዝ ፀጋ እዙይ፥ ብዅሉ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዝሖ።</verse>
				<verse number="9">ሰናይ ፍቓዱ ኾይኑ ኸዓ፥ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ፥ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።</verse>
				<verse number="14">ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ።</verse>
				<verse number="15">ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርን፥ ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥</verse>
				<verse number="16">ኣብ ፀሎተይ እናዘከርኩኹም፥ ምእንታኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ኣብኲረ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥</verse>
				<verse number="18">ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፥ ናይቲ ዝፀውዐኩም ተስፋ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸዓ፥</verse>
				<verse number="20">እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስአሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።</verse>
				<verse number="22">ንዅሉ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ።</verse>
				<verse number="23">ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም።</verse>
				<verse number="2">ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።</verse>
				<verse number="3">ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።</verse>
				<verse number="4">ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥</verse>
				<verse number="5">ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።</verse>
				<verse number="7">እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="9">ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።</verse>
				<verse number="11">እምበኣር ንስኻትኩም፥ ቀደም ብትውልድኻትኩም ኣህዛብ ዝነበርኩም፥ እቶም “ግሩዛት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ፥ “ዘይግሩዛት” ኢሎም ይፅውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="12">ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።</verse>
				<verse number="13">ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም።</verse>
				<verse number="17">መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ።</verse>
				<verse number="18">ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ።</verse>
				<verse number="22">ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="2">ብርግፅ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ፀጋ፥ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ዝፀሓፍኩዎ እንትተንብቡ፥ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት፥ ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነቢያቱን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለፀሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለፀሎምን።</verse>
				<verse number="6">እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣነ ኸዓ በቲ ኣሰራርሓ ሓይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ።</verse>
				<verse number="10">እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="11"></verse>
				<verse number="12">ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="17">ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥</verse>
				<verse number="18">ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥</verse>
				<verse number="19">ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥</verse>
				<verse number="21">ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር ኣነ ምእንቲ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።</verse>
				<verse number="4">ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት፥</verse>
				<verse number="6">ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ግና ኸምቲ ክርስቶስ ዝዓደለና፥ ንነፍሲ ወከፍና ፀጋ ተውሂቡ እዩ፤</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ድማ እዩ “ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ፥ ብዙሓት ምሩኻት ሒዙ ኸደ፤ ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ” ዝብል።</verse>
				<verse number="9">“ዓረገ” ማለት፥ ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ክኸውን ይኽእል?</verse>
				<verse number="10">እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ፥ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝዓረገ፥ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥</verse>
				<verse number="13">ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።</verse>
				<verse number="14">እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።</verse>
				<verse number="15">እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።</verse>
				<verse number="16">ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን።</verse>
				<verse number="17">እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ብሰንኪ ትረት ልቦምን፥ ብሰንኪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን፥ ኣእምሮኦም ፀልሚቱ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ህይወት ርሒቖም እዮም።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፤ ርኽሰት ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸዓ፥ ንባዕላቶም ንስጋዊ ድልየቶም፥ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም።</verse>
				<verse number="20">ንስኻትኩም ግና፥ ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን።</verse>
				<verse number="21">እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም፥ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ፥</verse>
				<verse number="22">ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤</verse>
				<verse number="23">ብመንፈስ ኣእምሮኹም ተሓደሱ።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።</verse>
				<verse number="25">እምበኣር ኵልና፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ፥ ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ።</verse>
				<verse number="26">ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤</verse>
				<verse number="27">ንሰይጣን ከዓ፥ ስፍራ ኣይትሃብዎ።</verse>
				<verse number="28">እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።</verse>
				<verse number="29">እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።</verse>
				<verse number="30">ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።</verse>
				<verse number="31">ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።</verse>
				<verse number="32">ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።</verse>
				<verse number="3">ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።</verse>
				<verse number="4">እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ምስጋና እምበር፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ፥ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ።</verse>
				<verse number="5">ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="6">ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="8">ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።</verse>
				<verse number="9">ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ።</verse>
				<verse number="10">እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ።</verse>
				<verse number="11">ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤</verse>
				<verse number="12">እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ፥ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።</verse>
				<verse number="15">እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="18">ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።</verse>
				<verse number="19">ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ።</verse>
				<verse number="20">ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="21">ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።</verse>
				<verse number="22">ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።</verse>
				<verse number="23">ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24">ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።</verse>
				<verse number="25">ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን።</verse>
				<verse number="26">ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥</verse>
				<verse number="27">ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም፥ ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር።</verse>
				<verse number="29">ከምቲ ክርስቶስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና፥ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፥ ሰብነቱ ዝፀልእ ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="30">ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።</verse>
				<verse number="31">“ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።”</verse>
				<verse number="32">እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="33">ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="2">ሰናይ ክኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ንሳውን ናይ ተስፋ ቓል ዘለዋ፥ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ኣገልገልቲ፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ብቕኑዕ ልብን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="6">ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝገብሩ፥ ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ እምበር፥ ንሰብ ከም እተሐጕሱ፥ ንይምሰል ከም እትግዝኡ ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="7">ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ኸም እትግዝኡ፥ ብትግሃትን ብሰናይ ድልየትን ተገዝኡ።</verse>
				<verse number="8">ኣገልጋሊ ኾነ፥ እቲ ተገልጋሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።</verse>
				<verse number="11">ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ።</verse>
				<verse number="12">ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።</verse>
				<verse number="14">እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።</verse>
				<verse number="15">ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ።</verse>
				<verse number="16">ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።</verse>
				<verse number="17">ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="18">ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።</verse>
				<verse number="19">ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።</verse>
				<verse number="20">ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።</verse>
				<verse number="21">ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።</verse>
				<verse number="22">ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን፥ ብዛዕባና ዅሉ ፈሊጥኩም፥ ልብኹም ምእንቲ ኽፀናናዕ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="23">ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።</verse>
				<verse number="24">ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="50">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።</verse>
				<verse number="2">ናይ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።</verse>
				<verse number="7">ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።</verse>
				<verse number="8">ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="10">እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥</verse>
				<verse number="11">ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ።</verse>
				<verse number="15">ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="17">እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="18">ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥</verse>
				<verse number="20">እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ።</verse>
				<verse number="21">ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="22">ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ።</verse>
				<verse number="23">በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።</verse>
				<verse number="24">እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።</verse>
				<verse number="25">በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="26">መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝሐልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="27">ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።</verse>
				<verse number="28">በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="29">እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።</verse>
				<verse number="30">ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥</verse>
				<verse number="2">ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ።</verse>
				<verse number="3">ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።</verse>
				<verse number="4">ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።</verse>
				<verse number="5">ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="6">ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን።</verse>
				<verse number="7">እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።</verse>
				<verse number="8">ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥</verse>
				<verse number="11">ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።</verse>
				<verse number="13">ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።</verse>
				<verse number="14">ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ።</verse>
				<verse number="15">እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።</verse>
				<verse number="17">ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ።</verse>
				<verse number="19">ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ።</verse>
				<verse number="21">ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።</verse>
				<verse number="22">ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="23">እምበኣር ኵነታተይ ሪአ፥ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="24">ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="26">ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ።</verse>
				<verse number="27">ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ።</verse>
				<verse number="28">ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="29">እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።</verse>
				<verse number="30">ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ፥ ደጊመ ኽፅሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2">ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="3">ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።</verse>
				<verse number="4">ትምክሕቲ ዘድሊ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብዙሕ ኣለኒ። ሓደ፥ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ስርዓት፥ ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን፥ ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለፀ ኣለኒ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤</verse>
				<verse number="6">ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።</verse>
				<verse number="7">እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ።</verse>
				<verse number="8">እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥</verse>
				<verse number="11">ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="12">ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤</verse>
				<verse number="14">ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">እምበኣር ብመንፈሳዊ ህይወት ዝጠንከርና ዅልና፥ እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ዝተፈለየ ሓሳብ እንተ ሃልዩኩም፥ ንእኡውን እግዚኣብሄር ክገልፀልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።</verse>
				<verse number="17">ኣሕዋተይ፥ ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ፥ ኣስተውዕልዎም።</verse>
				<verse number="18">ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕዚ ኸዓ እናነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ፥ ብዙሓት ፀላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና።</verse>
				<verse number="21">ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ።</verse>
				<verse number="2">ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን፥ ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።</verse>
				<verse number="4">ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ልውህናኹም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፤ ጐይታ ቐረባ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ።</verse>
				<verse number="12">ትሕት ምባል እፈልጥ፤ ሕልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፤ ኣብ ፅጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት፥ ብሃብቲ ኾነ ብድኽነት፥ ኣብ ኵሉን ብዅሉን፥ ናይ ምንባር ምስጢር ተምሂረ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።</verse>
				<verse number="14">ኣብቲ መከራይ ተኻፈልቲ ብምዃንኩም ግና ፅቡቕ ገበርኩም።</verse>
				<verse number="15">ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ፥ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንትርፊ ንስኻትኩም፥ ብምሃብ ይኹን ብምቕባል፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከም ዘይተሓባበረት፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ተሰሎንቄ እንተለኹውን፥ ሓደ ኽልተ ጊዜ፥ ዘድልየኒ ረድኤት ሰዲድኩምለይ ኔርኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="17">ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም፥ ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር፥ ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን።</verse>
				<verse number="18">ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="19">ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="20">ንኣምላኽናን ኣቦናን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="21">ንዅሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="23">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="51">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣሕዋትናን፥ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ቕዱሳንን፥</verse>
				<verse number="2">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።</verse>
				<verse number="3">ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤</verse>
				<verse number="4"></verse>
				<verse number="5">እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።</verse>
				<verse number="10">ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።</verse>
				<verse number="11">በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥</verse>
				<verse number="12">በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና።</verse>
				<verse number="13">ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ።</verse>
				<verse number="15">ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ።</verse>
				<verse number="17">ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።</verse>
				<verse number="20">እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።</verse>
				<verse number="21">ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።</verse>
				<verse number="23">እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="24">ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ።</verse>
				<verse number="26">እዝ ምስጢር እዙይ፥ ካብ ዘለኣለም፥ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና፥ ንቕዱሳኑ ተገልፀ።</verse>
				<verse number="27">እግዚኣብሄር ነዚኣቶም፥ እዝ ምስጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፥ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ከፍልጦም መረፀ። እዝ ምስጢር ከዓ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="28">ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።</verse>
				<verse number="29">ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዝርከብ።</verse>
				<verse number="4">እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ሓደኳ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብስርዓት ምንባርኩምን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፅኑዕ እምነትን እናረአኹ፥ እሕጐስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤</verse>
				<verse number="7">ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።</verse>
				<verse number="8">ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ከም ባህሊ ሰብን፥ ከም ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ከንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ፥ ሓደኳ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="9">ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።</verse>
				<verse number="10">ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ንስኻትኩም ድማ፥ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ፥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት፥ ብእኡ ተገረዝኩም።</verse>
				<verse number="12">ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።</verse>
				<verse number="17">እዝ ዅሉ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ፅላሎት እዩ እሞ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና፥ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።</verse>
				<verse number="19">እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።</verse>
				<verse number="20">እምበኣር ካብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም እንተ ዄንኩም፥ ስለ ምንታይ ደኣ ገና ኸም ኣነባብራ ዓለም ትነብሩ? ስለ ምንታይከ ነቲ “ኣይትሓዝ፤ ኣይትጥዓም፤ ኣይትንካእ” ዝብል ሕጊ ትግዝኡ?</verse>
				<verse number="21"></verse>
				<verse number="22">እዝ ሕጊ እዙይ፥ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ፥ ምስ ፈፀምካዮ ሓላፊ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን፥ ትሕትናን፥ ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐፅዕን ብምዃኑ፥ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ስጋ ንምቍፅፃር ግና፥ ኣይጠቕምን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።</verse>
				<verse number="2">ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ንስኻትኩምውን፥ ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም።</verse>
				<verse number="8">ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።</verse>
				<verse number="9">ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ።</verse>
				<verse number="13">ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።</verse>
				<verse number="15">ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።</verse>
				<verse number="16">ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።</verse>
				<verse number="17">ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።</verse>
				<verse number="18">ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።</verse>
				<verse number="19">ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን።</verse>
				<verse number="20">ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24"></verse>
				<verse number="25">እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።</verse>
				<verse number="2">ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ።</verse>
				<verse number="4">ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።</verse>
				<verse number="6">ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ፥ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን፥ ልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕን ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="9">ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም።</verse>
				<verse number="10">እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጥሮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ሓዉ ንበርናባስውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ “እንተ መፀኩም፥ ብፅቡቕ ተቐበልዎ” ኢለ ኣዚዘኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ንሱ ምእንታኻትኩምን፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን፥ ብዙሕ ፃዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="15">ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ንኒምፋስን፥ ነታ ኣብ ገዛኡ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን፥ ሰላም በሉለይ።</verse>
				<verse number="16">ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።</verse>
				<verse number="17">ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።</verse>
				<verse number="18">እዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። መቓውሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="52">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="2">ምእንቲ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ፀሎትናውን ኵሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ብእግዚኣብሄር ፍቑራት ኣሕዋትና፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኩም ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="6">ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ተቐበልኩም፥ ነቲ ቓል፥ በቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም፥ ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ምእመናን፥ ኣርኣያ ኾንኩምዎም።</verse>
				<verse number="8">እዝ ኻባኻትኩም ዝወፀ ቓል እግዚኣብሄር፥ ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፤ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለኩም እምነት፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።</verse>
				<verse number="10"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣሕዋትና፥ እቲ ናባኻትኩም ምምፃእና፥ ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="2">ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።</verse>
				<verse number="3">እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="4">እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ።</verse>
				<verse number="6">ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና፥ ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና።</verse>
				<verse number="7">እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።</verse>
				<verse number="8">ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና።</verse>
				<verse number="9">ኣሕዋተይ፥ ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር፥ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፥ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፀናንዐኩምን ነተባብዐኩምን፥ ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="15">ኣይሁድ፥ ንጐይታና ኢየሱስን፥ ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጉና፤ ንእግዚኣብሄርውን የሕዝኑን፥ ንኵሉ ሰብውን ይፃረሩን ኣለዉ።</verse>
				<verse number="16">ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።</verse>
				<verse number="17">እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ።</verse>
				<verse number="19">ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?</verse>
				<verse number="20">ብርግፅ ክብርናን ሓጐስናን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ስለዙይ ክንዕገስ ስለ ዘይከኣልና፥ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረፅና።</verse>
				<verse number="2">በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ መከራ ኸም እንቕበል፥ ኣቐዲምና ነጊርናኩም ኔርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በፅሐና።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምፅናዕ ተፀናኒዕና ኣለና።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምፅናዕኹም፥ ንሕና ብህይወት ንነብር ኣለና።</verse>
				<verse number="9">ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል?</verse>
				<verse number="10">ገፅኩም ክንርእን፥ ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፥ ለይትን መዓልትን ተጊህና ንፅሊ ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ግና ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ጐይታና ኢየሱስን፥ ናባኻትኩም ንኽንመፅእ መንገድና የቕንዐልና።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።</verse>
				<verse number="13">በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።</verse>
				<verse number="2">ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="3">ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ።</verse>
				<verse number="5">ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ።</verse>
				<verse number="6">ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።</verse>
				<verse number="9">ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።</verse>
				<verse number="10">ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።</verse>
				<verse number="15">ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="16">ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም።</verse>
				<verse number="17">ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።</verse>
				<verse number="18">ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርሓቱን ግና፥ ክንፅሕፈልኩም ኣየድልን እዩ።</verse>
				<verse number="2">ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="3">ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።</verse>
				<verse number="4">ኣሕዋትና፥ ንስኻትኩም ግና፥ ኣብ ፀልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከም ሰራቒ ኣይትመፀኩምን እያ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዝድቅሱስ፥ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፤ እቶም ዝሰኽሩውን፥ ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ እሞ።</verse>
				<verse number="8">ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሕነት ክንረክብ እምበር፥ ንቝጥዓ ኣይፀውዐናን እሞ።</verse>
				<verse number="10">እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ፥ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ንስንሳትኩምውን ተተባብዑ፤ እቲ ሓደውን ነቲ ሓደ ይህነፆ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝፅዕሩን፥ ብጐይታውን ዝመርሑኹምን ዝምዕዱኹምን፥ ክተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="13">ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።</verse>
				<verse number="14">ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="15">ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፤ ግና ዅልሻዕ፥ ንስንሳትኩም ኮነ፥ ምስ ኵሉ ሰብ፥ ሰናይ ንምግባር ፀዓሩ።</verse>
				<verse number="16">ኵልሻዕ ተሓጐሱ፤</verse>
				<verse number="17">እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤</verse>
				<verse number="18">ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="19">መንፈስ ኣይተጥፍኡ፤</verse>
				<verse number="20">ትንቢት ኣይትንዓቑ።</verse>
				<verse number="21">ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="22">ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።</verse>
				<verse number="23">ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ዝፀውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ።</verse>
				<verse number="25">ኣቱም ኣሕዋትና፥ ምእንታና ፀልዩ።</verse>
				<verse number="26">ንዅላቶም ኣሕዋትውን፥ ብቅዱስ ሰላምታ ሰላም በልዎም።</verse>
				<verse number="27">ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="28">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="53">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ።</verse>
				<verse number="2">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።</verse>
				<verse number="4">ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና፥ ብፅንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገስዎ ዘለኹምን፥ ኣብተን ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።</verse>
				<verse number="5">መከራ እትቕበሉ ዘለኹም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ፥ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ።</verse>
				<verse number="7">ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና።</verse>
				<verse number="12">ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦</verse>
				<verse number="2">ብመንፈስ ወይ ብቓል፥ ወይ ካባና ኸም ዝተፅሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ “ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ በፂሓ እያ” ኢልኩም፥ ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን።</verse>
				<verse number="3">ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።</verse>
				<verse number="4">“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ፥ ኣይትዝክርዎን ዲኹም?</verse>
				<verse number="6">ንሱ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ምእንቲ ኽግለፅ፥ እቲ ሕዚ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ፥ ትፈልጥዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።</verse>
				<verse number="12">እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።</verse>
				<verse number="14">ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ፥ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ፀውዐኩም።</verse>
				<verse number="15">እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="16">ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥</verse>
				<verse number="17">ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ብዝተረፈ፥ ኣሕዋትና፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ፥ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን፥</verse>
				<verse number="2">ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና።</verse>
				<verse number="3">ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።</verse>
				<verse number="5">ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="7">ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="8">ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን።</verse>
				<verse number="9">እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="10">ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።</verse>
				<verse number="11">ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፥ ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ፥ ሓንቲ ስራሕ ዘይብሎም፥ ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና።</verse>
				<verse number="12">ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ።</verse>
				<verse number="15">ግና ኸም ሓው ደኣ መዓድዎ እምበር፥ ከም ፀላኢ ኣይትቝፀርዎ።</verse>
				<verse number="16">እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="17">ነዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝፀሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵለን መልእኽቲታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝፅሕፍ።</verse>
				<verse number="18">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="54">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብትእዛዝ መድሓኒና እግዚኣብሄርን፥ ብተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስ፥</verse>
				<verse number="2">ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።</verse>
				<verse number="4">ከምኡውን ናብ ኣፈ ታሪኻትን፥ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ናብ ምቝፃር ትውልድታትን፥ ከየዘምብሉ መዓድ። እዝ ነገራት እዙይ ክትዕ እምበር፥ ኣብቲ ብእምነት ዝግበር ናይ እግዚኣብሄር መጋቢነት፥ ዝጠቅም የብሉን።</verse>
				<verse number="5">ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።</verse>
				<verse number="6">ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ዝብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዝዛረብዎ እኳ፥ ዘይፈልጥዎ እንተለዉስ፥ መምህራን ሕጊ ክኾኑ ይደልዩ።</verse>
				<verse number="8">ሰብ ንሕጊ፥ ብዝግባእ መንገዲ እንተ ደኣ ፈፂምዎ፥ ሰናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="9">ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥</verse>
				<verse number="10">ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።</verse>
				<verse number="15">“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።</verse>
				<verse number="16">በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="18">ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።</verse>
				<verse number="19">እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ መንጎኦም እኳ፥ ንእግዚኣብሄር ምፅራፍ ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኽመሃሩ ኢለ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ዝሃብኩዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ዝበሃሉ ሰባት ኣለዉዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ፀሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብን፥</verse>
				<verse number="2">ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ።</verse>
				<verse number="3">እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ።</verse>
				<verse number="8">ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ሰበይትስ፥ እዝዝቲ ብምዃን ብህድኣት ደኣ ትመሃር።</verse>
				<verse number="12">ሰበይቲ ኽትምህር ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ፥ ኣይፈቅድን እየ። ንሳስ ስቕ ደኣ ትበል።</verse>
				<verse number="13">ቅድም ዝተፈጠረ ኣዳም እዩ፤ ደሓር ከዓ ሔዋን እያ እሞ።</verse>
				<verse number="14">ከምኡ ኸዓ ሰበይቲ እያ ተታሊላ ትእዛዝ ዝጠሓሰት እምበር፥ ኣዳም ኣይተታለለን።</verse>
				<verse number="15">ሰበይቲ ግና፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ፀኒዓ እንተ ነበረት፥ ውሉድ ብምውላድ ክትድሕን እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኤጲስ ቆጶስ ክሽየም ዝደሊ “ሰናይ ነገር ይምነ” ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ።</verse>
				<verse number="2">እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ ዝኸውን፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብመጠን ዝነብር፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ብስርዓት ዝነብር፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ብቑዕ መምህር፥</verse>
				<verse number="3">ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥</verse>
				<verse number="4">ቤተሰቡ ብፅቡቕ ዘመሓድርን፥ ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ስድራኡ ብስነ ስርዓት ከመሓድር እንተ ዘይክኢሉ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸመሓድራ ይኽእል?</verse>
				<verse number="6">ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="7">ግና ኣብ ቅለትን፥ መፃወድያ ዲያብሎስን፥ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ በቶም ዘይኣምኑውን፥ ፅቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።</verse>
				<verse number="8">ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥</verse>
				<verse number="9">ነቲ ናይ እምነት ምስጢር፥ ብንፁህ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ።</verse>
				<verse number="10">ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ፥ ብዲቁና የገልግሉ።</verse>
				<verse number="11">ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።</verse>
				<verse number="12">ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ።</verse>
				<verse number="13">ብፅቡቕ ዘገልግሉ ዲያቆናት፥ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ እምነት፥ ትብዓት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="14">ኦ ጢሞቴዎስ፥ ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመፅእ ተስፋ እናገበርኩ፥ ነዝ መልእኽቲ እዙይ እፅሕፈልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ገሊኣቶም እምነቶም ክሒዶም፥ ንመታለልቲ መናፍስትን፥ ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፥ መንፈስ ብገሃድ ይነግር ኣሎ።</verse>
				<verse number="2">እዝ ዓይነት ትምህርቲ እዙይ ድማ፥ ካብቶም ብመተኰስ ከም ዝሓረረ፥ ሕሊናኦም ዝደንዘዘ፥ ግብዛት ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዝመፅእ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።</verse>
				<verse number="4">ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ፥ በቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ፀሎትን፥ ዝቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን።</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።</verse>
				<verse number="7">ግና ኻብ ቅለትን፥ ካብ ወግዒ ኣረጋውያት ኣንስቲ ዝመሰለ ተረትን ረሓቕ። ንመፈሳዊ ህይወት ንባዕልኻ ኣለማምድ።</verse>
				<verse number="8">ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።</verse>
				<verse number="9">እዝ ቃል እሙን እዩ፤ ኵሉውን ክቕበሎ ይግባእ እዩ።</verse>
				<verse number="10">በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድሕን ህያው እግዚኣብሄር ተስፋ ስለ ዝገበርና፥ ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኣዝዝን መሃርን።</verse>
				<verse number="12">ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም።</verse>
				<verse number="13">ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ንህዝቢ ብምንባብን፥ ብምስባኽን፥ ብምምሃርን፥ ትጋህ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ ዝተውሃበካ ውህብቶ፥ ሸለል ኣይትበሎ።</verse>
				<verse number="15">እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።</verse>
				<verse number="16">ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ፀኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ጌርካ፥ ንባዕልኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ክተድሕን ኢኻ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ንኣረጋዊ ኣይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ፥ ንኣጓብዝ ኸም ኣሕዋት፥ ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት፥ ንኣናእሽቲ ኸም ኣሓት ቈፂርካ መዓዶም።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።</verse>
				<verse number="4">ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።</verse>
				<verse number="6">እታ ናይዝ ዓለም እዙይ ደስታ እትደሊ መበለት ግና፥ ብህይወታ እንተላ ዝሞተት እያ።</verse>
				<verse number="7">ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="8">ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ቅዱሳን ብምሕፃብ፥ ንዝፀገሞ ብምሕጋዝ፥ እዝ ሰናይ ግብሪ እዙይ ብምግባር፥ ዝተመስከረላ ኽትከውን ይግባእ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።</verse>
				<verse number="12">እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።</verse>
				<verse number="14">እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ።</verse>
				<verse number="16">ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ።</verse>
				<verse number="17">ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።</verse>
				<verse number="18">መፅሓፍ “ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ከምኡውን “ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="19">ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮም፥ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ፥ ክሲ ኣይትቀበል።</verse>
				<verse number="20">ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።</verse>
				<verse number="21">ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="22">ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።</verse>
				<verse number="23">ስለ ኸብድኻን ስለ እቲ ዝመላለሰካ ሕማምን፥ ቁሩብ ወይኒ ስተ እምበር፥ ማይ ጥራሕ ኣይትስተ።</verse>
				<verse number="24">ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ።</verse>
				<verse number="25">ከምኡ ኸዓ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉፅ እዩ፤ እቲ ግሉፅ ዘይኮነ ግና፥ ተሰዊሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም።</verse>
				<verse number="2">እቶም ኣመንቲ ጐይቶት ዘለውዎም ድማ፥ ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣ እቶም በቲ ፅቡቕ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ፥ ኣመንትን ፍቑራትን ብምዃኖም፥ ኣብሊፆም የገልግልዎም። ነዝ ነገርዙይ መሃርን መዓድን።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥</verse>
				<verse number="4">ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ።</verse>
				<verse number="5">ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።</verse>
				<verse number="6">“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="7">ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምፃእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን፥ ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ።</verse>
				<verse number="8">ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።</verse>
				<verse number="10">ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።</verse>
				<verse number="11">ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።</verse>
				<verse number="12">ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥</verse>
				<verse number="16">ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።</verse>
				<verse number="17">ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="18">ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።</verse>
				<verse number="19">በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።</verse>
				<verse number="20">ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ ሓሳባትን፥ ረሓቕ።</verse>
				<verse number="21">ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="55">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥</verse>
				<verse number="2">ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="3">ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።</verse>
				<verse number="10">እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።</verse>
				<verse number="11">ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ።</verse>
				<verse number="12">በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።</verse>
				<verse number="13">ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።</verse>
				<verse number="14">ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።</verse>
				<verse number="16">እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።</verse>
				<verse number="18">በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።</verse>
				<verse number="3">ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።</verse>
				<verse number="4">ወታደር ኮይኑ ዘገልግል፥ ነቲ ኣዛዚኡ ምእንቲ ኸሐጕስ፥ ብናብራ እዝ ዓለም እዙይ ኣይጥለፍን።</verse>
				<verse number="5">ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ነዝ ዅሉ ዝብለካ ዘለኹ ኣስተብህሎ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ምስትውዓል ይሃብካ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ኣነ ብወንጌል ዝሰብኮ፥ ነቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ፥ ካብ ሞት ዝተስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።</verse>
				<verse number="9">ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ቓል እዙይ እሙን እዩ፤ “ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና።</verse>
				<verse number="12">እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።</verse>
				<verse number="13">እሙናት እንተ ዘይኴንና፥ ንሱ ንባዕሉ ክኽሕድ ስለ ዘይኽእል፥ እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።”</verse>
				<verse number="14">ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።</verse>
				<verse number="15">ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ።</verse>
				<verse number="16">ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና፥ ካባኻ ኣርሕቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ፥ ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ትምህርቶም እናሰፍሐ ኸም ዝኸይድ፥ ዝባላዕ ቝስሊ እዩ፤ ኣብ መንጎኦም ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ዝበሃሉ ይርከብዎም።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።</verse>
				<verse number="20">ኣብ ዓብዪ ገዛ፥ ካብ ዕንፀይትን መሬትን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እምበር፥ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፤ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ክቡር ንዘይኮነ ይኸውን።</verse>
				<verse number="21">እምበኣር፥ ካብ ኵሉ ኽፍኣት፥ ንባዕሉ ዘንፅሀ ሰብ፥ ንሱ ናይ ክብሪ ኣቕሓ፥ ዝተቐደሰ፥ ንኣገልግሎት ጐይታኡ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።</verse>
				<verse number="22">ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።</verse>
				<verse number="23">ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ።</verse>
				<verse number="24">ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንምምሃር ብቕዓት ዘለዎ፥ ዕጉስ ክኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።</verse>
				<verse number="25">ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።</verse>
				<verse number="26">ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ዘጨንቅ ዘመን፥ ከም ዝመፅእ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥</verse>
				<verse number="3">ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ይቕረ ዘይብሉ፥ ሓመይቲ፥ ርእሶም ዘይቈፃፀሩ፥ ጨካናት፥ ሰናይ ዘይፈትዉ፥</verse>
				<verse number="4">ኸዳዓት፥ ህዉኻት፥ መን ከማይ በሃልቲ፥ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ፍቕሪ ተድላ ዓለም ኣብሊፆም ዝፈትዉ፥</verse>
				<verse number="5">ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ።</verse>
				<verse number="6">እዚኣቶም፥ ናብ ገዛ ሰብ ሸሊኾም ብምእታው፥ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን፥ ብዝተፈላለየ ፍትወት ዝደፋፍኣ ኣንስቲ፥ ዝማርኹ ሰባት እዮም።</verse>
				<verse number="7">እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን።</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="9">ግና ኸምቲ ናይ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ዕሽነት ንዅሉ ዝተገልፀ፥ ናይ እዚኣቶም ዕሽነትውን፥ ንዅሉ ኽግለፅ እዩ፤ ካብኡ ሓሊፎም ግና፥ ዘስልጥዎ የብሎምን።</verse>
				<verse number="10">ንስኻ ግና ትምህርተይ፥ ኣነባብራይ፥ ዕላማይ፥ እምነተይ፥ ትዕግስተይ፥ ፍቕረይ፥ ፅንዓተይ ተኸተልካ።</verse>
				<verse number="11">ስደተይ፥ መከራይ፥ ኵሉ እቲ ኣብ ኣንፆኪያን ኢቆንያንን ልስጥራንን ዝበፅሐኒሞ፥ ብትዕግስቲ ዝተቐበልክዎ ስደት ትፈልጥ ኢኻ፤ ጐይታ ግና፥ ካብዝ ዅሉ ኣድሓነኒ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ብቕድስና ኽነብሩ ዝደልዩ ዅሎም፥ ብርግፅ ክስጐጉ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።</verse>
				<verse number="14">ንስኻ ግና፥ በቲ ዝተምሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ፅናዕ። ካብ መን ከም ዝተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ እሞ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፍፁም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ኣፀቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ፥ ንትምህርቲ፥ ንተግሳፅ፥ ንምቕናዕ፥ ብመንገዲ ፅድቂ ንምምዓድ፥ ይጠቅም እዩ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="4">ሓቂ ኸይሰምዑውን ኣእዛኖም ዓፅዮም፥ ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።</verse>
				<verse number="6">ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።</verse>
				<verse number="7">ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።</verse>
				<verse number="8">ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር።</verse>
				<verse number="9">ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።</verse>
				<verse number="10">ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።</verse>
				<verse number="11">ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።</verse>
				<verse number="12">ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።</verse>
				<verse number="15">ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ።</verse>
				<verse number="16">መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="17">ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።</verse>
				<verse number="18">እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="19">ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።</verse>
				<verse number="20">ኣርስጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ተሪፉ ኣሎ፤ ጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ፥ ሚሊጢን ኣብ ዝበሃል ከተማ ሓዲገዮ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="22">ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="56">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።</verse>
				<verse number="2">እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።</verse>
				<verse number="3">ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ክእውጅ ብዝሃበኒ ስብከት ገይሩ፥ ንቓሉ ገለፆ።</verse>
				<verse number="4">በታ ናይ ኵላትና ዝኾነት እምነት፥ ብሓቂ ወደይ ንዝኾንካ ቲቶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ካብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ቀርጤስ ዝሓደግኩኻ፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ነቲ እንተይተወድአ ዝተረፈ ኽተመዓራርን፥ በብዓዱ ኤጲስ ቆጶሳት ክትሸይምን ኢለ እየ።</verse>
				<verse number="6">ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።</verse>
				<verse number="7">ኤጲስ ቆጶስ፥ ከም መጋቢ እግዚኣብሄር፥ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ እዩሞ፤ ከምኡውን፥ ዘይዕበ፥ ዘይዅሪ፥ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሉ፥ ክኸውን ኣለዎ።</verse>
				<verse number="8">እኳ ደኣ ተቐባሊ ጋሻ፥ ሰናይ ዝኾነ ዝፈቱ፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስን ብመጠን ዝነብርን ይኹን።</verse>
				<verse number="9">ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።</verse>
				<verse number="10">ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ሓደ ኻብቶም ናታቶም ነቢያት እኳ “ሰብ ቀርጤስ ኵልሻዕ ሓሰውቲ፥ ክፉኣት ኣራዊት፥ ሃካያት፥ ከብዳማት እዮም” ይብል።</verse>
				<verse number="13">እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን።</verse>
				<verse number="16">“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ንስኻ ግና፥ ህይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም።</verse>
				<verse number="3">ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።</verse>
				<verse number="4">እተን ንኡሳት ኣንስትውን፥ ንሰብኡተንን ንውሉደንን ከፍቅራ፥</verse>
				<verse number="5">ርእሰን ዝመልካ፥ ንፁሃት፥ ስድራአን ዝከናኸና፥ ሕያዎት፥ ንሰብኡተን ዝእዘዛ ምእንቲ ክኾና ይምሃራአን። እዙይ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸይፅረፍ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ነጓብዝውን ከምኡ፥ ርእሶም ዝመልኩ ክኾኑ መዓዶም።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ነቶም መገልገልቲ ኸዓ፥ ንጐይተቶም ብዅሉ ነገር ክእዘዙ፥ ከሐጕስዎም እምበር ክፉእ ከይምልሱሎም መዓዶም።</verse>
				<verse number="10">እቲ ትምህርቲ ናይ መድሓኒና እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኵሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን፥ ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።</verse>
				<verse number="11">ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥</verse>
				<verse number="12">እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና።</verse>
				<verse number="13">ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።</verse>
				<verse number="15">እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ነቶም ህዝቢ፥ ንገዛእትን ንሰብ ስልጣንን፥ ክግዝኡን ክእዘዙን፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለዉ ክኾኑን፥</verse>
				<verse number="2">ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ፥ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን፥ ምስ ኵሉ ሰብ ድማ፥ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም።</verse>
				<verse number="3">ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።</verse>
				<verse number="4">ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይነትን ፍቕርን ምስ ተገልፀ ግና፥</verse>
				<verse number="5">ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።</verse>
				<verse number="6">ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።</verse>
				<verse number="7"></verse>
				<verse number="8">እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ምፍልላይ ዝፈጥር ሰብ፥ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ምስ መኸርካዮ፥ እንተ ኣበየ ኻብኡ ረሓቕ።</verse>
				<verse number="11">ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ዝተበላሸወን ሓጥእን እዩ፤ ባዕሉ ንባዕሉውን ዝዀነነ ሰብ ምዃኑ ፍለጥ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ኒቆጵልዮን ክኸርም ወሲነ ኣለኹ እሞ፥ ንኣርጢሞን ወይ ንቲኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፥ ዝገበርካ ጌርካ ናባይ ምፃእ።</verse>
				<verse number="13">ንዜናስ ፈላጢ ሕግን ንኣጵሎስን፥ ኣብ መገሻኦም ዝኾነ ነገር ከይጐድሎም ብዝከኣለካ ሓግዞም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።</verse>
				<verse number="15">ምሳይ ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና፥ ሰላምታ ኣቕርበልና። ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="57">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱር ካብ ዝኾንኩ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቲ ፍቑርን መሳርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና፥</verse>
				<verse number="2">ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን።</verse>
				<verse number="3">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን።</verse>
				<verse number="5">እዙይ ከዓ፥ ንቕዱሳን ከም እተፍቅርን፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="7">ኣታ ሓወይ፥ ልቢ ቅዱሳን ስለ ዘፀናናዕኻ፥ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘለኒ ብዙሕ ትብዓት፥ ነቲ ኽትገብሮ ዝግብአካ፥ ክእዝዘካ ዝኽእል እኳ እንተ ኾንኩ፥</verse>
				<verse number="9">ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥</verse>
				<verse number="10">ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለኹ፥ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ፥ እልምነካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="11">ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ኣናሲሞስ፥ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ፥ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ፥ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ።</verse>
				<verse number="14">ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ፥ ብድልየትካ እምበር፥ ብግዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።</verse>
				<verse number="15">ኣናሲሞስ ንሓፂር ጊዜ ዝተፈለየካ፥ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምሳኻ ምእንቲ ኽነብር እዩ ዝኸውን።</verse>
				<verse number="16">ደጊም ከም ባርያ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ነኣይ፥ ፍቑር ሓው ካብ ኮነ፥ ንኣኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን፥ ካብ ባርያ ዝበለፀ፥ ፍቑር ሓው ከመይ ዘይኾነካ!</verse>
				<verse number="17">እምበኣር ከም ሓው ትሪአኒ እንተ ዄንካስ፥ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ።</verse>
				<verse number="18">እንተ በዲሉካ ወይ ንሱ ዝኸፍለካ ዕዳ እንተ ሃልዩ፥ ካባይ ድለዮ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ ጳውሎስ፥ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ፥ ብኢደይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ።</verse>
				<verse number="20">እወ፥ ኣታ ሓወይ፥ ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ፥ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ።</verse>
				<verse number="21">ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።</verse>
				<verse number="22">ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።</verse>
				<verse number="23">ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳይ ዝተኣስረ ኤጳፍራስ፥ ሰላም ይብለካ ኣሎ።</verse>
				<verse number="24">ከምኡውን እቶም መሳርሕተይ ዝኾኑ ማርቆስ፥ ኣርስጠርኮስ፥ ዴማስ፥ ሉቃስ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="25">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="58">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤</verse>
				<verse number="2">ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።</verse>
				<verse number="3">ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ካብ መላእኽቱ፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ከምኡ ኸዓ “ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ” ዝበሎ ንመን እዩ?</verse>
				<verse number="6">መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።</verse>
				<verse number="7">ብዛዕባ መላእኽቲ ኸዓ “ንመላእኽቱ ንፋሳት፥ ንኣገልገልቱውን ነበልባል ሓዊ ይገብሮም” ይብል።</verse>
				<verse number="8">ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።</verse>
				<verse number="9">ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።</verse>
				<verse number="10">ከምኡ ድማ፦ “ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ፥ ካብ መጀመርታ ንምድሪ መስረትካያ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤</verse>
				<verse number="12">ንስኻ ከም ዓለባ ኽትጥቕልሎም ኢኻ፤ ንሳቶምውን ክልወጡ እዮም፤ ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ንዘመናትካውን መወዳእታ የብሉን” ይብል።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦ “ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="14">ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ስለዙይ ምእንቲ ኻብቲ ዝሰማዕናዮ ስሒትና ኸይንወድቕ፥ የመና ኽነቕልብ ይግብአና እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል፥ ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ፥ ኵሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን፥ ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ፥</verse>
				<verse number="3">ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን፥ በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን፥ በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ፥ ምስክርነቶም ኣፅኒዑ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።</verse>
				<verse number="6">እኳ ደኣ መፃሕፍቲ፥ “ንስኻ ኽትሓስቦስ ሰብ እንታይ እዩ? ወይ ንስኻ ኽትሓልየሉኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?”</verse>
				<verse number="7">ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤</verse>
				<verse number="8">ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ፥ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓደ እኳ ኣይሓደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ እዮም እሞ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም እየ፤ ኣብ ማእኸል ማሕበርውን፥ ምስጋናኻ ኽዝምር እየ” ስለ ዝብል “ኣሕዋተይ” ክብሎም ኣይሓፍርን እዩ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">መሊሱ ኸዓ “ኣነ ኣብኡ ኽእመን እየ።” መሊሱውን፥ “ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ውሉድን እኒሀና” ይብል።</verse>
				<verse number="14">እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥</verse>
				<verse number="15">ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር፥ ንመላእኽቲ ኸድሕን ኣይመፀንሞ።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።</verse>
				<verse number="18">ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="4">ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="5">ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፥ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥</verse>
				<verse number="8">ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤ ‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።</verse>
				<verse number="11">ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”</verse>
				<verse number="12">ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="13">እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።</verse>
				<verse number="14">ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።</verse>
				<verse number="15">እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="17">ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="18">“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?</verse>
				<verse number="19">ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር ናብ ዕረፍቲ እግዚኣብሄር ንምእታው ተስፋ ኻብ ሃለወና፥ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ናብዝ ዕረፍቲ እዙይ እንተይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንፍራሕ።</verse>
				<verse number="2">ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።</verse>
				<verse number="3">ስራሕ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ፥ እቲ ፅሑፍ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ” ኸም ዝብል፥ ንሕና እንኣምን ግና፥ ናብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ኢና።</verse>
				<verse number="4">ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ስፍራ፥ “እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ስራሑ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ይብል።</verse>
				<verse number="5">ኣብኡ ኸዓ ደጊሙ፥ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም” ይብል።</verse>
				<verse number="6">እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብስራት ዝሰምዑ ግና፥ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን።</verse>
				<verse number="7">ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምቲ ቕድም፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ኢልዎ ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ “ሎሚ” እናበለ ብምዝራቡ፥ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ።</verse>
				<verse number="8">ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።</verse>
				<verse number="9">እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር።</verse>
				<verse number="12">ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።</verse>
				<verse number="14">እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።</verse>
				<verse number="15">ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="16">እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኸውን፥ ካብ ሰብ እዩ ዝምረፅ። ንእግዚኣብሄር ድማ መባእን መስዋእትን ከቕርብ ምእንቲ ሰብ ድማ ይሽየም።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="3">ሰለዙይ ድማ ኸምቲ ምእንቲ ህዝቢ፥ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ኸቕርብ ይግብኦ።</verse>
				<verse number="4">ከም ኣሮን ብእግዚኣብሄር ዝተፀውዐ እምበር፥ ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን።</verse>
				<verse number="5">ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ እምበር።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፥ “ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” በሎ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="8">ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።</verse>
				<verse number="9">ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ከዓ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ።</verse>
				<verse number="11">ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንብሎ ብዙሕ ነይሩና፤ እንተ ኾነ፥ ኣእዛንኩም ንምስማዕ ዝደንዘዛ ስለዝኾና፥ ብቓል ክንገልፆ ኣፀጋሚ እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኻብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ፥ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ፀባ ደኣ እምበር፥ ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኵሉ ፀባ ዝምገብ ህፃን ስለ ዝኾነ፥ ብዛዕባ ናይ ፅድቂ ነገራት ክፈልጥ ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="14">ዕፁም ምግቢ ግና፥ ነቶም ፅቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፥ ንባዕላቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">ስለዙይ ናይ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሓዲግና፥ ናብ ፍፃሜ ንሕለፍ። ብዛዕባ ኻብቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ግብሪ ብንስሃ ምምላስ፥ ብዛዕባ ብእግዚኣብሄር ምእማን፥</verse>
				<verse number="2">ብዛዕባ ጥምቀት፥ ብዛዕባ ኢድ ኣንቢርካ ምፅላይ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታን፥ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ፍርዲ ዝምልከት፥ መሊስና መሰረት ክንምስርት ኣየድልን።</verse>
				<verse number="3">እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ እዙይ ክንገብር ኢና።</verse>
				<verse number="4">እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም፥ ሰማያዊ ውህብቶ ዝጠዓሙ፥ ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ፥</verse>
				<verse number="5">ነቲ ሰናይ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ሓይሊ ናይታ እትመፅእ ዓለምን ዝጠዓሙ፥</verse>
				<verse number="6">ዝኣመንዎ እንተ ኽሒዶም፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ብፍቓዶም መሊሶም ስለ ዝሰቕልዎን፥ ብገሃድ ስለ ዘላግፁሉን፥ ብንስሃ ኽምለሱ ኣይከኣልን እዩ።</verse>
				<verse number="7">እታ ብዙሕ ጊዜ፥ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም እትሰቲ ምድሪ፥ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፥ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ትረክብ።</verse>
				<verse number="8">እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፥ ንመርገም ዝቐረበት፥ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ምንዳድ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋትና፥ ከምዙይ ኢልና እንተ ተዛረብና እኳ፥ ብዝበለፀ ዝሐሸን፥ ንድሕነት ዝኸውን ከም ዝኾነን፥ ተረዲእና ኣለና።</verse>
				<verse number="10">እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="11">ነፍሲ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍፀመልኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና።</verse>
				<verse number="12">ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ኽህቦ እንተሎ፥ ካብ ስሙ ዝዓቢ ዝምሕለሉ ኻልእ ስለ ዘየለ፥ “ብሓቂ ኽባርኸካን ከብዝሐካን እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።</verse>
				<verse number="14"></verse>
				<verse number="15">ኣብርሃም ድማ ብትዕግስቲ ተፀብዩ፥ ነታ ተስፋ ረኸባ።</verse>
				<verse number="16">ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ፥ ነቲ ዝተብሃለ የፅንዖ፤ ንዅሉ ኽርክር ከዓ ይውድኦ።</verse>
				<verse number="17">ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም።</verse>
				<verse number="18">እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።</verse>
				<verse number="19">እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።</verse>
				<verse number="20">ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ሳሌም ንጉስን፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ መልከ ፄዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።</verse>
				<verse number="2">ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።</verse>
				<verse number="3">መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።</verse>
				<verse number="4">እዝ ሰብዙይ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረአዩ! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ፥ ኣስራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና፥ ካብ ህዝቢ፥ ካብቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም፥ ኣስራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ።</verse>
				<verse number="6">መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ።</verse>
				<verse number="8">በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣስራት፥ እቶም መወትቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ፥ እቲ ህያው ኮይኑ ኸም ዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ።</verse>
				<verse number="9">ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣስራት ዝቕበል ሌዊ እኳ፥ ብኣብርሃም ገይሩ ኣስራት ሃበ፤</verse>
				<verse number="10">መልከ ፄዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ፥ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣብርሃም ኣቦኡ እዩ ነይሩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ሕጊ፥ ከም ስርዓት ክህነት ሌዋውያን እዩ ዝነበረ። እምበኣር እዝ ኽህነት እዙይ፥ ፍፁም ነይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይኮነስ፥ ከም መዓርግ መልከ ፄዴቅ ዝኾነ፥ ካልእ ካህን ክትስእ ንምንታይ መድለየ ነይሩ?</verse>
				<verse number="12">ክህነት ክልወጥ እንተሎ፥ ሕጊ እውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="13">እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታና፥ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የለን።</verse>
				<verse number="14">ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ሕዚ ኸዓ ኸም መልከ ፄዴቅ ዝበለ፥ ካልእ ካህን ክትስእ እንተሎ፥ እቲ ነገር ኣፀቢቑ ይገሃድ።</verse>
				<verse number="16">“ንስኻ ኸም መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ፥ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ስርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት ዝተመስረተ እዩ።</verse>
				<verse number="17"></verse>
				<verse number="18">እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ፥ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ።</verse>
				<verse number="19">ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።</verse>
				<verse number="20">እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ።</verse>
				<verse number="21">ንሱ ግና፥ “እግዚኣብሄር፥ ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ መሓለ፥ ኣይናሳሕን ከዓ እዩ” ኸም ዝብል፥ ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ።</verse>
				<verse number="22">ከምኡውን ኢየሱስ፥ ናይታ ዝበለፀት ኪዳን ዋሕስ ኮነ።</verse>
				<verse number="23">ብኽህነት ኵልሻዕ ከየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም፥ እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙሓት ነበሩ።</verse>
				<verse number="24">ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ።</verse>
				<verse number="25">ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።</verse>
				<verse number="26">ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።</verse>
				<verse number="27">ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።</verse>
				<verse number="28">ሕጊ ሙሴ፥ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት፥ ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመፀ ቓል ማሕላ ግና፥ ነቲ ንዘለኣለም ፍፁም ዝኾነ ወልድ ሸመ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ዝተኸላ መቕደስን፥ ናይ ብሓቂ ድንኳንን እዩ ዘገልግል።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፥ መባእን መስዋእትን ከቕርብ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ካህን እዙይውን ዘቕርቦ ኽህልዎ ግድን እዩ።</verse>
				<verse number="4">እምበኣርከስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም፥ መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፥ ንሱ ኸቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ።</verse>
				<verse number="5">እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ።</verse>
				<verse number="6">ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለላ ኺዳን፥ ካብታ ኣረጊት ዝበለፀትን፥ ኣብ ዝበለፀ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝኾነት፥ እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት፥ ካብቲ ናታቶም ዝበለፀ እዩ።</verse>
				<verse number="7">እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ነቐፋ እንተ ዘይርከባስ፥ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ።</verse>
				<verse number="8">ንሱ ንኣኣቶም እናነቐፈ፥ ከምዙይ ይብሎም እዩሞ፦ “እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን፥ ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን፥ ዝኣትወለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="9">ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="10">እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።</verse>
				<verse number="11">ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ስለ ዝፈልጡኒ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሉ ብፃይ ንብፃዩ፥ ሓው ንሓዉ ኣይምህሮን፤</verse>
				<verse number="12">ንበደሎም ክምሕር እየ፤ ንሓጢኣቶምውን ድሕሪዙይ ኣይዝክሮን እየሞ።”</verse>
				<verse number="13">ነዝ ኺዳን እዙይ “ሓድሽ” ኢሉ ብምፅዋዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ብሉይ ገበሮ። እቲ ዝበለየን ዝኣረገን ከዓ፥ ክጠፍእ ቀሪቡ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን፥ ናይ ኣገልግሎት ስርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ።</verse>
				<verse number="2">ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከዓ፥ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዘፅልሉ፥ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። እንተ ኾነ ሕዚ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣስፊሕና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።</verse>
				<verse number="6">ከምዙይ ኮይኑ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናት ኵልሻዕ፥ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ፥ ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ይኣትዉ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።</verse>
				<verse number="8">እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ፥ እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">እዙይ፥ ናይዝ ዘመን እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋእትን ከዓ፥ ናይቲ ዘቕርብ ሰብ ሕሊና ኸንፅህ ከም ዘይኽእል የመልክት።</verse>
				<verse number="10">እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።</verse>
				<verse number="11">ክርስቶስ ግና፥ ናይቲ መፂኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መፀ። ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ብልፅትን ፍፅምትን፥ ካብዝ ፍጥረት እዙይ ዘይኮነትን ድንኳን ከዓ ኣተወ።</verse>
				<verse number="12">ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።</verse>
				<verse number="13">ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥</verse>
				<verse number="14">ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!</verse>
				<verse number="15">በዝ ምኽንያት እዙይ፥ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ፥ ማእኸላይ መተዓረቒ ኾነ። እቶም ፅዉዓት፥ ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኸድሕኖም፥ ቤዛ ኾይኑ ሞተ።</verse>
				<verse number="16">ኑዛዜ እንተ ሃልዩ፥ ናይቲ ዝተናዘዘ ሰብ ሞት ምርግጋፅ የድሊ እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኑዛዜ ድሕሪ ሞት እዩ ዝፀንዕሞ። እቲ ዝተናዘዘ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ግና ዝጠቕሞ የብሉን።</verse>
				<verse number="18">ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትስራዕ እንተላኳ፥ ብዘይ ደም ኣይፀንዐትን።</verse>
				<verse number="19">ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ከምኡ ድማ፥ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሑን ደም ነፀገሉ።</verse>
				<verse number="22">ከምቲ ሕጊ ዝሰርዖ፥ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነፅህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ።</verse>
				<verse number="23">እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ምስሊ ዝኾነ፥ ብመስዋእቲ ኽነፅህ ግድን ካብ ኮነ፥ እቲ ሰማያዊ ነገራት ንባዕሉ ብዝሐሸ መስዋእቲ ኽነፅህ ግድን እዩ።</verse>
				<verse number="24">ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት፥ ናይ ካልእ ደም ሒዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዙሕ ጊዜ ከቕርብ ኣይኣተወን።</verse>
				<verse number="26">ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።</verse>
				<verse number="27">ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥</verse>
				<verse number="28">ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ሕጊ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ሰናይ ነገር ፅላሎት እምበር፥ ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ፥ እቲ በብዓመት ኵልሻዕ ዝቐርብ መስዋእትታት፥ ነቶም ዘቕርብዎ ኸቶ ፍፁማት ክገብሮም ኣይኽእልን።</verse>
				<verse number="2">እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም።</verse>
				<verse number="3">እንተ ኾነ፥ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ።</verse>
				<verse number="4">ደም ዝራብዓትን ኣጣልን፥ ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይኽእልን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመፅእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦ “መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፤ እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።</verse>
				<verse number="6">ብዝቃፀል መስዋእትን፥ በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ደስ ኣይበለካን።</verse>
				<verse number="7">ሽዑ ኸዓ ኣነ፥ ‘ኦ ኣምላኸይ፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ብዛዕባይ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እንሆ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ’ በልኩ።”</verse>
				<verse number="8">ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ፥ “መስዋእትን መባእን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ደስ ኣይበለካን” ይብል።</verse>
				<verse number="9">ኣስዒቡ ኸዓ “እንሆ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ” ይብል። ነታ ዳሕረወይቲ ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ነታ ቐዳመይቲ ሰዓራ።</verse>
				<verse number="10">በዝ ፈቓድ እዙይ፥ በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ ካህን ዝኾነ፥ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍፅም፤ ነቲ ፈፂሙ ሓጢኣት ከርሕቕ ዘይኽእል መስዋእቲ ድማ፥ መላሊሱ የቕርብ።</verse>
				<verse number="12">ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።</verse>
				<verse number="15">መንፈስ ቅዱስውን ስለዙይ ይምስክረልና ኣሎ፦</verse>
				<verse number="16">“ብድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤ ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።”</verse>
				<verse number="17">ኣስዒቡ ኸዓ “ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመፃኦምን፥ ከቶ ኣይዝክርን እየ” ይብል።</verse>
				<verse number="18">እምበኣር ብኸምዙይ ሓጢኣት ዝሕደግ ካብ ኮነ፥ ካብ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣየድልን እዩ።</verse>
				<verse number="19">ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና።</verse>
				<verse number="20">እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።</verse>
				<verse number="21">ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥</verse>
				<verse number="22">ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።</verse>
				<verse number="24">ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።</verse>
				<verse number="25">ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤</verse>
				<verse number="27">ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ።</verse>
				<verse number="28">ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ።</verse>
				<verse number="29">ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!</verse>
				<verse number="30">ንሕና ነቲ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ” ደጊሙ ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ።</verse>
				<verse number="31">ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።</verse>
				<verse number="32">ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን።</verse>
				<verse number="33">ብሓደ ወገን፥ ፀርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ፥ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበፅሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም።</verse>
				<verse number="34">ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ።</verse>
				<verse number="35">እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።</verse>
				<verse number="36">ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።</verse>
				<verse number="37">“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤</verse>
				<verse number="38">ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="39">ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">እምነት፥ ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዝረአ ድማ፥ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ፥ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣቤል፥ ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልፅ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር፥ ንመስዋእቱ ብፅቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ፥ ፃድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎውን፥ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">ሄኖክ ምእንቲ ኸይመውት፥ ብእምነት ንላዕሊ ተወሰደ፤ እግዚኣብሄር ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸዓ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ፥ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ እግዚኣብሄር መስኪሩሉ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="6">ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።</verse>
				<verse number="8">ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።</verse>
				<verse number="9">ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።</verse>
				<verse number="10"></verse>
				<verse number="11">ሳራውን ጊዜኣ እኳ ሓሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት፥ ክትጠንስ ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይውን ካብቲ ኸም ምዉት ተቘፂሩ ዝነበረ ኣብርሃም፥ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙሓትን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ፥ ክቝፀሩ ዘይኽእሉን ተወለዱ።</verse>
				<verse number="13">እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።</verse>
				<verse number="14">እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይፅበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="15">ነታ ሓዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።</verse>
				<verse number="17">ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፥ ንይስሓቅ ብእምነት ክስውኦ ኣቕረቦ። ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ እኳ፥ ከምኡውን “ብይስሓቅ ዘርኢ ኽፅውዐልካ እዩ” ተብሂሉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ።</verse>
				<verse number="18"></verse>
				<verse number="19">ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ከተስኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ፥ ካብ ሞት ከም ዝተስአ ኾይኑ፥ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ።</verse>
				<verse number="20">ይስሓቅ፥ ንያእቆብን ንኤሳውን፥ ብዛዕባ እቲ ንቕድሚት ክመፅእ ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብእምነት ባረኾም።</verse>
				<verse number="21">ያእቆብ ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ፥ ብእምነት ንደቂ ዮሴፍ፥ ንነፍሲ ወከፎም ባረኾም፤ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።</verse>
				<verse number="22">ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸም ዝወፁ፥ ብእምነት ኣዘከረ፤ ብዛዕባ ኣዕፅምቱውን ትእዛዝ ሃበ።</verse>
				<verse number="23">ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ።</verse>
				<verse number="24">ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል፥ ብእምነት ኣበየ።</verse>
				<verse number="25">ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ።</verse>
				<verse number="26">ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።</verse>
				<verse number="27">ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።</verse>
				<verse number="28">እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።</verse>
				<verse number="29">ደቂ እስራኤል፥ ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑፅ ምድሪ፥ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብፃውያን ግና፥ ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።</verse>
				<verse number="30">ቅፅሪ ኢያሪኮ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፥ ብእምነት ፈረሰ።</verse>
				<verse number="31">ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።</verse>
				<verse number="32">እንታይ እሞ ኽብል እየ? ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቅ፥ እኒ ሶምሶን፥ እኒ ዮፍታሔ፥ እኒ ዳዊት፥ እኒ ሳሙኤል፥ ከምኡውን ብዛዕባ ነቢያት ከይትርኸልኩም ጊዜ የብለይን።</verse>
				<verse number="33">ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤</verse>
				<verse number="34">ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤</verse>
				<verse number="35">ኣንስቲ፥ ምዉታተን ካብ ሞት ተሲኦምለን ተቐበላኦም፤ ካልኦት ግና ዝበለፀ ትንሳኤ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ምሕረት እንተይተቐበሉ ተሳቕዮም ሞቱ።</verse>
				<verse number="36">ገሊኣቶም ድማ ብላግፅን ብመግረፍትን፥ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ።</verse>
				<verse number="37">ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ፀበቦም፤ መከራ ተቐበሉ።</verse>
				<verse number="38">ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።</verse>
				<verse number="39">እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።</verse>
				<verse number="40"></verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።</verse>
				<verse number="2">ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።</verse>
				<verse number="3">ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።</verse>
				<verse number="4">ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ፥ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል፥ ረሲዕኹምዎ ዲኹም? “ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤</verse>
				<verse number="6">እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።”</verse>
				<verse number="7">እግዚኣብሄር ከም ውሉዱ ይሪአኩም እዩ እሞ፥ እንተ ቐፅዐኩም ተዓገሱ፤ ኣቦኡ ዘይቐፅዖ ውሉድከ መን እዩ?</verse>
				<verse number="8">ከምቶም ኵሎም ውሉድ፥ መቕፃዕቲ እንተ ዘይተቐቢልኩም ግና፥ ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!</verse>
				<verse number="10">ስጋውያን ኣቦታትና፥ ንቑሩብ ጊዜ ኸምቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐፅዑና፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።</verse>
				<verse number="11">ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።</verse>
				<verse number="13">“ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።”</verse>
				<verse number="14">ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="16">ሓደኳ ዘማዊ ዝኾነ፥ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኽበልዕ ኢሉ፥ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፥ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="17">ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="18">ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ፥ ጣቓ፥ ፀልማት፥ ንፋስ ኣውሎ፥ ድምፂ መለኸትን፥ ቃል ዝስምዐሉ ድምፅን፥ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በፂሕኩም ዘለኹም። እቶም ዝሰምዕዎውን፥ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመኑ።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">“እንስሳ እኳ፥ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ፥ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይቀተል” ዝብል ትእዛዝ ኽፆርዎ ኣይከኣሉንሞ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።</verse>
				<verse number="22">ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥</verse>
				<verse number="23">ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።</verse>
				<verse number="24">ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።</verse>
				<verse number="25">እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?</verse>
				<verse number="26">ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወፃ፤ ሕዚ ግና “ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውፆ እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ እዩ።</verse>
				<verse number="27">“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።</verse>
				<verse number="28">እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ።</verse>
				<verse number="29">ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ።</verse>
				<verse number="2">ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።</verse>
				<verse number="3">ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።</verse>
				<verse number="4">መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="8">ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።</verse>
				<verse number="9">ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="10">እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሊቀ ካህናት፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ፥ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ስጋ ግና ኻብ ሰፈር ወፃኢ ይቃፀል ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ።</verse>
				<verse number="13">እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።</verse>
				<verse number="14">ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።</verse>
				<verse number="15">እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።</verse>
				<verse number="16">ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="17">ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።</verse>
				<verse number="18">ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግፀኛታት ኢና፤ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ፥ ፀልዩልና።</verse>
				<verse number="19">ብዝበለፀ እኳ፥ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ፥ ክትፅልዩለይ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥</verse>
				<verse number="21">ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="22">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="23">ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤ ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መፂኡ፥ ብሓደ ዄንና ኽንሪአኩም ኢና።</verse>
				<verse number="24">ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="25">ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="59">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።</verse>
				<verse number="2">ኣሕዋተይ፥ ዝተፈላለየ ፈተና ኽበፅሐኩም እንተሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍፀርዎ።</verse>
				<verse number="3">እምነትኩም እንትፍተን፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ።</verse>
				<verse number="4">ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።</verse>
				<verse number="7">እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።</verse>
				<verse number="8"></verse>
				<verse number="9">ድኻ ሓውና ልዕል ብምባሉ፥</verse>
				<verse number="10">እቲ ሃብታም ከዓ ትሕት ብምባሉ ይመካሕ፤ ንሱ ኸም ዕምበባ ሳዕሪ ኽሓልፍ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሳዕሪ ተንቅፆ፤ እቲ ዕምበባኡ ኸዓ ይረግፍ፤ ፅባቐኡ ድማ ይጠፍእ፤ ከምኡውን እቲ ሃብታም፥ ብመንገዱ ኽጠፍእ እዩ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="13">ሓደኳ ምስ ተፈተነ፥ እግዚኣብሄር ፈቲኑኒ ኣይበል፤ እግዚኣብሄር ብኽፉእ ኣይፍተንን፤ ባዕሉውን ንሓደኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="14">ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን።</verse>
				<verse number="15">ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ።</verse>
				<verse number="16">ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣይትስሓቱ።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።</verse>
				<verse number="18">ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።</verse>
				<verse number="19">ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ነዙይ ፍለጡ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ዝቐልጠፈ፥ ንምዝራብ ዝደንጐየ፥ ንቝጥዓውን ዝደንጐየ ይኹን፤</verse>
				<verse number="20">ናይ ሰብ ቍጥዓ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣይሰርሕን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="21">ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።</verse>
				<verse number="22">ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="23">ነቲ ቓል ሰሚዑ፥ ዘይፍፅም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነቲ ገፁ ብመስትያት ዝርኢ ሰብ እዩ ዝመስል።</verse>
				<verse number="24">ንሱ መልክዑ ሪኡ ይኸይድሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ኸመይ ከም ዝኾነ ይርስዕ።</verse>
				<verse number="25">እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።</verse>
				<verse number="26">ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።</verse>
				<verse number="27">እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት፥ ገፅ ሰብ ርኢኹም ኣድልዎ ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="2">ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥</verse>
				<verse number="3">እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥</verse>
				<verse number="4">ክፉእ ሓሳብ ዘለዎም ፈረድቲዶ ኣይኮንኩምን?</verse>
				<verse number="5">ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?</verse>
				<verse number="6">ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?</verse>
				<verse number="7">ንሳቶምዶኸ ኣይኮኑን፥ ነቲ እትፅውዑሉ ኽቡር ስም ዝፀርፉ ዘለዉ?</verse>
				<verse number="8">ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="9">ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ከዓ፥ እቲ ሕጊ ይፈርደኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ንዅሉ እቲ ሕጊ ፈፂሙ፥ ብሓንቲ ዝብድል ግና፥ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።</verse>
				<verse number="11">እቲ “ኣይትዘሙ” ዝበለ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ፥ ግና እንተ ቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ።</verse>
				<verse number="12">እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን።</verse>
				<verse number="13">እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።</verse>
				<verse number="14">ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፥ ተግባር ግና እንተ ዘይሃልይዎ፥ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ኽተድሕኖ ትኽእል?</verse>
				<verse number="15">ሓው ወይ ሓፍቲ እንተ ዓረቑ፥ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፥</verse>
				<verse number="16">እሞ ሓደ ኻባኻትኩም ንስጋኦም ዘድሊ እንተይሃበ “ብሰላም ኪዱ፤ ሓዊ ሰሓኑ፤ ፅገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም?</verse>
				<verse number="17">ከምኡ ኸዓ፥ እምነት በይና ተግባር እንተ ዘይብላ፥ ምውትቲ እያ።</verse>
				<verse number="18">ሓደ ሰብ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፤ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ፥ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።</verse>
				<verse number="19">ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።</verse>
				<verse number="20">ግና ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ተግባር፥ ዝሞተት ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ እካ?</verse>
				<verse number="21">ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?</verse>
				<verse number="22">እምነት ምስ ተግባር ኮይና ኸም ዝሰርሐት፥ ከምኡውን ብተግባር፥ እምነት ከም ዝተፈፀመት ትርኢዶ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="23">“ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ።</verse>
				<verse number="24">ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?</verse>
				<verse number="25">ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?</verse>
				<verse number="26">እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣሕዋተይ፥ ዝገደደ፥ ፍርዲ ኸም እንቕበል ትፈልጡ ኢኹምሞ፥ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="2">ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።</verse>
				<verse number="3">እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።</verse>
				<verse number="5">ከምኡ ድማ፥ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ!</verse>
				<verse number="6">ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ።</verse>
				<verse number="7">ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።</verse>
				<verse number="8">ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።</verse>
				<verse number="9">ብኣኣ ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ነመስግን፤ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም፥ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።</verse>
				<verse number="10">ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ዒላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ፥ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ?</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ፥ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።</verse>
				<verse number="13">ካባኻትኩም፥ ጥበበኛን መስተውዓልን መን እዩ? ብሰናይ ኣካይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ፥ ሰናይ ተግባሩ የርኢ።</verse>
				<verse number="14">መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።</verse>
				<verse number="15">እዛ ጥበብ እዚኣ፥ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፥ ካብ ላዕሊ ኣይኮነትን።</verse>
				<verse number="16">ኣብቲ ቕንእን ንባዕልኻ ምፍታውን ዘለዎ፥ ኣብኡ ሁከትን ኵሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ።</verse>
				<verse number="17">እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።</verse>
				<verse number="18">ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን፥ ካበይ ድዩ ዝመፅእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ፥ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="2">ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።</verse>
				<verse number="3">ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።</verse>
				<verse number="5">ወይ ከዓ እቲ፥ “እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ንእኡ ጥራሕ ክንከውን፥ ብቕንኢ ሃረር ይብል” ዝብል ቃል መፅሓፍዶ፥ ከንቱ ይመስለኩም?</verse>
				<verse number="6">“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።</verse>
				<verse number="7">እምበኣርከስ ንእግዚኣብሄር ተገዝእዎ፤ ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።</verse>
				<verse number="9">ሕዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፥ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።</verse>
				<verse number="12">እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል፥ ሓጋጊ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንስኻ ደኣ ኣብ ብፃይካ እትፈርድ፤ መን ኢኻ?</verse>
				<verse number="13">ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ፥ ክንከይድ ኢና፤ እናነገድና ምእንቲ ኽንርባሕ ከዓ፥ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ።</verse>
				<verse number="14">ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">“ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብህይወት እንተ ሃሊና፥ ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና” ኽትብሉ እዩ ዝግበአኩም።</verse>
				<verse number="16">ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።</verse>
				<verse number="17">እምበኣርከስ፥ እቲ ኽገብሮ ዝግብኦ ሰናይ ነገር ዝፈልጥ እሞ ዘይፍፅሞ፥ ንእኡ ሓጢኣት ይኾኖ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።</verse>
				<verse number="2">ሃብትኹም ተበላሸወ፤ ኽዳውንትኹምውን ብልዒ በልዖ።</verse>
				<verse number="3">ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ንዳሕረዋይ ዘመን ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፥ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ።</verse>
				<verse number="4">እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="6">ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምፅኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።</verse>
				<verse number="9">ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።</verse>
				<verse number="10">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም።</verse>
				<verse number="11">እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተ ሃልዩ፥ ንሽማግለታት ይፀውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ይፀልዩሉ።</verse>
				<verse number="15">እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ።</verse>
				<verse number="16">እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።</verse>
				<verse number="17">ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም፥ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከዓ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን።</verse>
				<verse number="18">ብድሕሪኡውን ዝናም ክዘንም ፀለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ሃበት።</verse>
				<verse number="19">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥</verse>
				<verse number="20">እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="60">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ፥ ኣብ ጳንጦስ፥ ገላትያ፥ ቀጰዶቅያ፥ እስያ፥ ቢታንያ፥ ተበቲኖም ንዘለዉ ስደተኛታት፥</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።</verse>
				<verse number="3">ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።</verse>
				<verse number="4">ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፥ ዘይበላሾን፥ ዘይፅምሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።</verse>
				<verse number="6">ንቑሩብ ጊዜ፥ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="7">እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።</verse>
				<verse number="9"></verse>
				<verse number="10">እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ፀጋ ዝተነበዩ ነቢያት፥ ብዛዕባ እዝ ምድሓን እዙይ፥ ደለዩን መርመሩን፤</verse>
				<verse number="11">እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ።</verse>
				<verse number="12">ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።</verse>
				<verse number="14">እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።</verse>
				<verse number="15">“ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።</verse>
				<verse number="16"></verse>
				<verse number="17">ብዘይ ኣድልዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር “ኣቦ” ኢልኩም እትፅውዕዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፥ ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ።</verse>
				<verse number="18">ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="19"></verse>
				<verse number="20">ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።</verse>
				<verse number="22">ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።</verse>
				<verse number="23">ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="24">“ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ በረኻ እዩ፤ እቲ ሳዕሪ ይነቅፅ፤ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤</verse>
				<verse number="25">ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብስራት ከዓ እዙይ እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">እምበኣር ንዅሉ ኽፍኣትን፥ ምትላልን፥ ግብዝናን፥ ቅንእን፥ ሓሜትን ኣወግዱ።</verse>
				<verse number="2">እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።</verse>
				<verse number="3"></verse>
				<verse number="4">ናብቲ ብሰብ ዝተንዓቐ፥ ብእግዚኣብሄር ግና፥ ሕሩይን ክቡርን ዝኾነ ህያው እምኒ፥ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ቅረቡ።</verse>
				<verse number="5">ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።</verse>
				<verse number="6">መፅሓፍ ከም ዝብል፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን ሕሩይን ክቡርን፥ እምኒ መኣዝን ኣንብር ኣለኹ፤ እቲ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ።”</verse>
				<verse number="7">እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”</verse>
				<verse number="8">ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="12">እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።</verse>
				<verse number="13">ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢልኩም፥ ንዅሎም ሰብ ስልጣን ተገዝእዎም፤ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ኮነ፥</verse>
				<verse number="14">ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐፅዑ፥ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ኽንእዱ፥ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="15">ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="16">ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።</verse>
				<verse number="17">ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።</verse>
				<verse number="18">ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ሕያዎትን ርህሩሃትን ጐይቶትኩም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነቶም ክፉኣትውን እንተይተረፈ፥ ብዅሉ ኽብሪ ተኣዘዝዎም።</verse>
				<verse number="19">ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ።</verse>
				<verse number="20">እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።</verse>
				<verse number="22">“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”</verse>
				<verse number="23">ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።</verse>
				<verse number="24">ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።</verse>
				<verse number="25">ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወት ኣንስቶም፥ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ፅባቐኽን፥ ኣፍኣዊ ብዝኾነ፥ ብስርሓት ፀጕርን፥ ብምእሳር ወርቅን፥ ብኽቡር ክዳውንትን፥ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="4">ፅባቐኽንስ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብሊፁ ኽቡርን፥ ዘይጠፍእን፥ ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ፥ ኣብ ልቢ ተሰዊሩ ዘሎ፥ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን።</verse>
				<verse number="5">ቀደምውን፥ ተስፋአን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፥ ብኸምዙይ እየን ዝተሸለማ፤ ንሰብኡተንውን ይእዘዛ ነበራ።</verse>
				<verse number="6">ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን።</verse>
				<verse number="7">ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።</verse>
				<verse number="9">ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።</verse>
				<verse number="10">ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።</verse>
				<verse number="11">ካብ ክፉእ ይርሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ይግበር፤ ንሰላም ይድለያን ይስዓባን።</verse>
				<verse number="12">ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን እየን ዝሪኣ፤ ኣእዛኑውን ንፀሎቶም ክፉታት እየን፤ ገፅ ጐይታ ግና ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእ እዩ።”</verse>
				<verse number="13">ሰናይ ንምግባር ትተግሁ እንተ ደኣ ዄንኩምከ፥ መን እዩ ኽጐድአኩም ዝኽእል?</verse>
				<verse number="14">ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።</verse>
				<verse number="15">ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።</verse>
				<verse number="18">ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።</verse>
				<verse number="19">በዝ መንፈስ እዙይውን፥ ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበኸሎም።</verse>
				<verse number="20">እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።</verse>
				<verse number="21">ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="22">ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።</verse>
				<verse number="4">ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="5">እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም።</verse>
				<verse number="7">ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።</verse>
				<verse number="8">ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።</verse>
				<verse number="9">ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።</verse>
				<verse number="10">ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።</verse>
				<verse number="11">እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="12">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።</verse>
				<verse number="13">ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።</verse>
				<verse number="14">ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።</verse>
				<verse number="15">ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።</verse>
				<verse number="16">ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር።</verse>
				<verse number="17">ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?</verse>
				<verse number="18">“እቲ ፃድቕ ብጭንቂ ዝድሕን ካብ ኮነ፥ እቲ ዓማፅን ሓጥእን ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”</verse>
				<verse number="19">እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ እምዕዶም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="2">ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን።</verse>
				<verse number="3">ነቲ መጓሰ፥ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ፥ ጐይቶት ኣይትኹኑ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።</verse>
				<verse number="5">ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።</verse>
				<verse number="6">ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።</verse>
				<verse number="7">ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።</verse>
				<verse number="8">እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።</verse>
				<verse number="9">ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="10">ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።</verse>
				<verse number="11">ንእኡ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።</verse>
				<verse number="12">በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓውና ስልዋኖስ ገይረ፥ ከተባብዐኩምን፥ እዝ ቘይምኩምሉ ዘለኹም ፀጋ፥ ናይ ሓቂ ፀጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩልኩም፥ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">እታ መተሓርይትኹም ዝኾነት፥ ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኵልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="61">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥</verse>
				<verse number="2">በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ብኽብሩን ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።</verse>
				<verse number="5">ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥</verse>
				<verse number="6">ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥</verse>
				<verse number="7">ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።</verse>
				<verse number="8">እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።</verse>
				<verse number="9">እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥ ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ፥ ከም ዝነፅሀውን ዝረስዐ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።</verse>
				<verse number="11">በዙይ ድማ፥ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው፥ ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን።</verse>
				<verse number="13">ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።</verse>
				<verse number="16">ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።</verse>
				<verse number="18">ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።</verse>
				<verse number="19">ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።</verse>
				<verse number="20">ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።</verse>
				<verse number="21">ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።</verse>
				<verse number="2">ብዙሓት ድማ፥ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም፥ እታ መንገዲ ሓቂ ኽትፅረፍ እያ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።</verse>
				<verse number="5">ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ፥ በብመዓልቱ በቲ ዝሪኦን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም፥ እታ ፃድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት።</verse>
				<verse number="9">ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።</verse>
				<verse number="11">መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።</verse>
				<verse number="12">እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።</verse>
				<verse number="14">ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።</verse>
				<verse number="15">ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።</verse>
				<verse number="16">እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።</verse>
				<verse number="17">እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነፀፈ ዓይኒ ማይን፥ ንፋስ ዝዅብኵቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት ዘለኣለም፥ ይፅበዮም ኣሎ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="19">ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="20">በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።</verse>
				<verse number="21">ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ።</verse>
				<verse number="22">እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።</verse>
				<verse number="2"></verse>
				<verse number="3">ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም “ተስፋ ምፅኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ፥ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ።</verse>
				<verse number="5">ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።</verse>
				<verse number="6">ስለዙይ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን፥ ብማይ ተውሒጣ ጠፍአት።</verse>
				<verse number="7">እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።</verse>
				<verse number="8">ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።</verse>
				<verse number="9">ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።</verse>
				<verse number="10">መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።</verse>
				<verse number="12"></verse>
				<verse number="13">ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና።</verse>
				<verse number="14">ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።</verse>
				<verse number="15">ጐይታና፥ ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስውን፥ በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ፥ ብዛዕባዙይ እዩ ዝፀሓፈልኩም።</verse>
				<verse number="16">ንሱ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ኣብ ኵለን መልእኽታቱ፥ ከምዙይ እዩ ዝገብር። ኣብኡ፥ ንምርዳኡ ዘፀግም ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርን ዘይፅኑዓትን ከዓ፥ ከምቲ ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝጠዋውይወን፥ ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።</verse>
				<verse number="17">ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ ኣቐዲምኩም ስለ እትፈልጥዎ፥ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም፥ ካብቲ ፅኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="18">ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="62">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="2">እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና።</verse>
				<verse number="3">ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።</verse>
				<verse number="4">እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።</verse>
				<verse number="5">እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ።</verse>
				<verse number="6">“ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና።</verse>
				<verse number="7">ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።</verse>
				<verse number="8">ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።</verse>
				<verse number="9">ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።</verse>
				<verse number="10">“ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="3">ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።</verse>
				<verse number="4">“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።</verse>
				<verse number="5">እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።</verse>
				<verse number="6">እቲ “ኣብኡ እነብር እየ” ዝብል፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰ፥ ባዕሉውን ከምኡ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።</verse>
				<verse number="8">መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ንሓዉ ዘፍቅር፥ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፤ ኣብኡውን መዐንቀፊ የብሉን።</verse>
				<verse number="11">እቲ ንሓዉ ዝፀልእ ግና፥ ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ፀልማትውን ይነብር፤ ፀልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፥ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ፥ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="15">ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን።</verse>
				<verse number="16">ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="17">ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።</verse>
				<verse number="18">ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመፅእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙሓት ተፃረርቲ ክርስቶስ፥ ተሲኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።</verse>
				<verse number="19">ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።</verse>
				<verse number="20">ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ።</verse>
				<verse number="22">እቲ ንኢየሱስ፥ መሲሕ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ? እቲ ንኣብን ንወልድን ዝኽሕድ፥ ፀረ ክርስቶስ እዩ።</verse>
				<verse number="23">እቲ ንወልድ ዝኽሕድ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ ኣሎ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን፥ ክትነብሩ ኢኹም።</verse>
				<verse number="25">እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።</verse>
				<verse number="26">ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝፀሓፍኩልኩም።</verse>
				<verse number="27">ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩ እሞ፥ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ፥ ብዛዕባ ዅሉ ኽምህረኩም እዩ፤ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም፥ ኣብ ክርስቶስ ፀኒዕኹም ንበሩ።</verse>
				<verse number="28">እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፥ በታ ዝመፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸይንሓፍርስ፥ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።</verse>
				<verse number="29">ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ፥ ነኣናውን ዘይፈለጠትና።</verse>
				<verse number="2">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="3">ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንባዕሉ የንፅህ።</verse>
				<verse number="4">ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ዓመፅ ይገብር፤ ሓጢኣት ድማ፥ ዓመፅ እዩ።</verse>
				<verse number="5">ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።</verse>
				<verse number="6">እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።</verse>
				<verse number="7">ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።</verse>
				<verse number="9">ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ስለ ዘሎ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተወለደውን፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ።</verse>
				<verse number="10">ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ።</verse>
				<verse number="11">እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዋ መልእኽቲ፥ “ንስንሳትና ንፋቐር” እትብል እያ።</verse>
				<verse number="12">ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ፥ ንሓዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ፥ ግብሪ ሓዉ ግና፥ ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።</verse>
				<verse number="13">ኣሕዋተይ፥ ዓለም እንተ ፀልአትኩም ኣይትገረሙ።</verse>
				<verse number="14">ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓዉ ዘየፍቅር ግና፥ ኣብ ፅላል ሞት እዩ ዝነብር።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።</verse>
				<verse number="16">ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ።</verse>
				<verse number="17">ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል?</verse>
				<verse number="18">ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር።</verse>
				<verse number="19">ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና።</verse>
				<verse number="20"></verse>
				<verse number="21">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።</verse>
				<verse number="22">ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና።</verse>
				<verse number="23">ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንስንሳትናውን ክንፋቐርን እዩ።</verse>
				<verse number="24">እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ።</verse>
				<verse number="2">ንመንፈስ እግዚኣብሄር፥ በዙይ ኢኩም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝተገለፀ ዝኣምን ኵሉ መንፈስ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።</verse>
				<verse number="3">ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመፀ ዘይኣምን ኵሉ መንፈስ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። እዙይ ከዓ፥ እቲ ኸም ዝመፅእ ሰሚዕኹምዎ ዝነበርኩም፥ ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕዚ እውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="5">ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከዓ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ።</verse>
				<verse number="6">ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዘይኮነ ግና፥ ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጦ።</verse>
				<verse number="7">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።</verse>
				<verse number="8">እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን።</verse>
				<verse number="9">እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ።</verse>
				<verse number="10">ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።</verse>
				<verse number="11">ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።</verse>
				<verse number="12">ንእግዚኣብሄር ዝረአዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቐርና ግና፥ እግዚኣብሄር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍፁም ይኸውን።</verse>
				<verse number="13">እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="14">እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።</verse>
				<verse number="16">ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።</verse>
				<verse number="17">ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ።</verse>
				<verse number="18">እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="19">እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።</verse>
				<verse number="20">ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።</verse>
				<verse number="21">እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኵሉ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ ዝኣምን፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ኵሉ እቲ ንወላዲ ዘፍቅር ኸዓ፥ ነቲ ኻብኡ ዝተወለደውን የፍቅር እዩ።</verse>
				<verse number="2">ንእግዚኣብሄር ብምፍቃርን፥ ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኢና፥ ነቶም ደቂ እግዚኣብሄር፥ ከም እነፍቅሮም እንፈልጥ።</verse>
				<verse number="3">ንእግዚኣብሄር ምፍቃር ማለት፥ ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ፤ ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን።</verse>
				<verse number="4">ኵሉ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ኸዓ፥ እምነትና እያ።</verse>
				<verse number="5">ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ? እቲ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን?</verse>
				<verse number="6">እቲ ብማይን ብደምን ዝመፀ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብማይን ብደምን እዩ እምበር፥ ብማይ ጥራሕ ኣይመፀን። እቲ መንፈስ ከዓ፥ ሓቂ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ ዝምስክር።</verse>
				<verse number="7">እቶም ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም።</verse>
				<verse number="8">መንፈስ፥ ማይ፥ ደም፥ ሰለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም።</verse>
				<verse number="9">ሰብ ዝህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፤ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክር ግና፥ ካብኡ ይዓቢ እዩ፤ እቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ምስክርነት ከዓ ብዛዕባ ወዱ እዩ።</verse>
				<verse number="10">ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ።</verse>
				<verse number="11">ምስክርነቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ።</verse>
				<verse number="12">ወዲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ፥ ህይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን።</verse>
				<verse number="13">ብስም ወዲ እግዚኣብሄር ንትኣምኑ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዙይ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="14">ከምቲ ፍቓዱ ጌርና፥ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ፥ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።</verse>
				<verse number="15">ኵሉ ዝለመንናዮ ኸም ዝሰምዐና ኻብ ፈለጥና፥ ዝለመንናዮ ልመና፥ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="16">ሓደ፥ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ክገብር እንተ ረአዮ፥ ይፀልየሉ፤ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት እንተ ኾይኑ፥ እግዚኣብሄር ህይወት ክህቦ እዩ። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓጢኣት ኣሎ፤ “ይፀልየሉ” ዝብል ዘለኹ ብዛዕባ እዙይ ኣይኮነን።</verse>
				<verse number="17">ኵሉ ኽፉእ ስራሕ፥ ሓጢኣት እዩ። እንተ ኾነ፥ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣትውን ኣሎ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ፥ ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ ርእሱ ይሕሉ፤ እቲ ኽፉእውን ኣይነኽኦን።</verse>
				<verse number="19">ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።</verse>
				<verse number="20">ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።</verse>
				<verse number="21">ኣቱም ደቀይ፥ ርእስኹም ካብ ጣዖታት ሓልዉ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="63">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብ ሽማግሌ፥ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤</verse>
				<verse number="2">እንፈትዎም ድማ፥ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ፥ ንዘለኣለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና።</verse>
				<verse number="3">ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን፥ ብሓቅን ብፍቕርን፥ ምሳና ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ደቅኺ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም፥ ብሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="5">ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="6">ፍቕሪ ማለት፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እናፈፀምካ፥ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ እቲ ትእዛዝ፥ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዝብል እዩ።</verse>
				<verse number="7">ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዘይኣምኑ፥ ብዙሓት መስሐትቲ፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ። እዙይ፥ እቲ መስሓቲን፥ ፀረ ክርስቶስን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንስኻትኩም ግና፥ ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፥ ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዘይነብርን፥ ካብኡ ዝርሕቕን፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዝነብር ግና፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉዎ።</verse>
				<verse number="10">ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ሰላም ዝብሎ፥ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="12">ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ፥ ክፅሕፎ ኣይደለኹን እምበር፥ ናባኻትኩም ዝፅሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና፥ ናባኻትኩም ክመፅእ እሞ፥ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር።</verse>
				<verse number="13">ደቂ እታ ሕርይቲ ሓፍትኺ፥ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="64">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ካብ ሽማግሌ፥ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።</verse>
				<verse number="2">ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="3">ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="4">ኣነ እቶም ደቀይ፥ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።</verse>
				<verse number="5">ኣታ ፍቑረይ፥ ንሳቶም ኣጋይሽ እንተ ኾኑ እኳ፥ እቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት፥ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ።</verse>
				<verse number="6">እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።</verse>
				<verse number="7">ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ።</verse>
				<verse number="8">እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ፅሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራጢስ ግና፥ ሓሳብና ኣይቕበሎን።</verse>
				<verse number="10">ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።</verse>
				<verse number="12">ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።</verse>
				<verse number="13">ብዙሕ ዝፅሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክፅሕፈልካ ኣይደለኹን።</verse>
				<verse number="14">ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።</verse>
				<verse number="15">ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና፥ በብስሞም ሰላም በሎም።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="65">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሓው ያእቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ፥ ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥</verse>
				<verse number="2">ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሐልኩም።</verse>
				<verse number="3">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።</verse>
				<verse number="4">ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።</verse>
				<verse number="5">ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።</verse>
				<verse number="6">ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።</verse>
				<verse number="7">ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።</verse>
				<verse number="8">ከምኡ ኸዓ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ብሕልሞም ስጋኦም የርክሱ፤ ንዅሉ ስልጣን የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይፀርፉ።</verse>
				<verse number="9">ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን።</verse>
				<verse number="10">እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።</verse>
				<verse number="11">ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!</verse>
				<verse number="12">እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።</verse>
				<verse number="13">ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም፥ ከም ዝዓፍር ዝገብሩ፥ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንዘለኣለም ይፅበዮም ኣሎ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።</verse>
				<verse number="15"></verse>
				<verse number="16">እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።</verse>
				<verse number="17">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ።</verse>
				<verse number="18">ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።</verse>
				<verse number="19">እዚኣቶም ፍልልይ ዘምፅኡ፥ ብስጋዊ ድልየቶም ዝምርሑ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እዮም።</verse>
				<verse number="20">ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።</verse>
				<verse number="21">ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ።</verse>
				<verse number="22">ነቶም ዝጠራጠሩ ኣረድእዎም።</verse>
				<verse number="23">ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም።</verse>
				<verse number="24">ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥</verse>
				<verse number="25">ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
		<book number="66">
			<chapter number="1">
				<verse number="1">ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፥ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኽገልፀሎም ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ንመልኣኹ ልኢኹ፥ ንኣገልጋሊኡ ዮሃንስ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀሉ ራእይ እዙይ እዩ።</verse>
				<verse number="2">ዮሃንስ ከዓ፥ ስለ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመሃሮ ሓቅን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝረአዮ ነገር መስከረ።</verse>
				<verse number="3">እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም።</verse>
				<verse number="4">ካብ ዮሃንስ፥ ናብተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመፅእን፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና፥</verse>
				<verse number="5"></verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።</verse>
				<verse number="7">እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።</verse>
				<verse number="9">ኣነ፥ ኣብቲ ብኢየሱስ ዝረኸብናዮ መንግስቲ መዋርስትኹም፥ ኣብ መከራኹምን ብትዕግስቲ ምፅናዕኹምን፥ መኻፍልትኹም ዝኾንኩ ሓውኩም ዮሃንስ፥ ምእንቲ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን፥ ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት እንተለኹ፥</verse>
				<verse number="10">ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤</verse>
				<verse number="11">“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።</verse>
				<verse number="12">መን ከም ዝተዛረበኒ ኽርኢ፥ ግልፅ በልኩ። ግልፅ ምስ በልኩ ድማ፥ ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ረአኹ።</verse>
				<verse number="13">ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።</verse>
				<verse number="14">ርእሱን ፀጕሩን ከም ፀምሪ፥ ከም በረድውን ፃዕዳ ነበረ፤ ኣዒንቱውን፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፤</verse>
				<verse number="15">ኣእጋሩ፥ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ፥ ዘንፀባርቕ ነሃስ ይመስላ ነበራ፤ ድምፁውን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያት ነበረ።</verse>
				<verse number="16">ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥</verse>
				<verse number="18">እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።</verse>
				<verse number="19">እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።</verse>
				<verse number="20">ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="2">
				<verse number="1">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦</verse>
				<verse number="2">ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግስትኻን፥ ነቶም ክፉኣት ሰባትውን፥ ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን፥ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ግና ዘይኮኑ፥ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን፥ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="3">ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="4">ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝሓደግካያ፥ ዝነቕፈካ ኣለኒ።</verse>
				<verse number="5">እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።</verse>
				<verse number="6">ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ።</verse>
				<verse number="7">“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’</verse>
				<verse number="8">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="9">መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።</verse>
				<verse number="11">“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’</verse>
				<verse number="12">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="13">ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።</verse>
				<verse number="14">እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።</verse>
				<verse number="15">ከምኡውን፥ ንትምህርቲ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ሰባት ኣለዉኻ።</verse>
				<verse number="16">ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።</verse>
				<verse number="17">“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’</verse>
				<verse number="18">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="19">ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግስትኻን፥ ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ግብርኻ ኸም ዝበዝሕ፥ እፈልጥ እየ።</verse>
				<verse number="20">ግና ነታ “ነቢይት እየ” እናበለት፥ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ኽበልዑ እትምህሮምን፥ እተስሕቶምን ዘላ፥ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ፥ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ፥ እነቕፈካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="21">ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።</verse>
				<verse number="22">ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ፥ ክድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ፥ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ።</verse>
				<verse number="23">ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።</verse>
				<verse number="24">“ ‘ንኣኻትኩም ኣቱም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና፥ ኵልኻትኩም ነዝ ትምህርቲ እዙይ ዘይትኽተሉ፥ ነቲ ንሳቶም “ዓሚቝ ምስጢር ሰይጣን” ዝብልዎ ዘይተምሃርኩም፥ ካልእ ፆር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ።</verse>
				<verse number="25">ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።</verse>
				<verse number="26">ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ።</verse>
				<verse number="27"></verse>
				<verse number="28">ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ።</verse>
				<verse number="29">“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’</verse>
			</chapter>
			<chapter number="3">
				<verse number="1">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።</verse>
				<verse number="2">ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም።</verse>
				<verse number="3">ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="5">እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’</verse>
				<verse number="6">“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።”</verse>
				<verse number="7">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="8">ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="9">እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።</verse>
				<verse number="10">ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።</verse>
				<verse number="11">ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።</verse>
				<verse number="12">ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’</verse>
				<verse number="13">“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”</verse>
				<verse number="14">“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦</verse>
				<verse number="15">“ ‘ዝሑል ወይ ምዉቕ ዘይምዃንካ፥ ግብርኻ እፈልጦ እየ፤ ኣበይሞ ዝሑል ወይ ምዉቕ ከም ኮንካ!</verse>
				<verse number="16">ልህብ ዝበለ ስለ ዝኾንካ፥ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፥ ካብ ኣፈይ ክተፍአካ እየ።</verse>
				<verse number="17">“ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ።</verse>
				<verse number="18">ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።</verse>
				<verse number="19">ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።</verse>
				<verse number="20">እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።</verse>
				<verse number="21">ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’</verse>
				<verse number="22">“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”</verse>
			</chapter>
			<chapter number="4">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተዘርጊሑ፥ ኣብቲ ዙፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="4">ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።</verse>
				<verse number="5">ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ቐዳማይ እንስሳ፥ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸዓ፥ ናይ ሰብ ዝመስል ገፅ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ፥ ዝነፍር ንስሪ ይመስል።</verse>
				<verse number="8">እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">እቶም እንስሳ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ንዝነብር፥ ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ፥</verse>
				<verse number="10">እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦</verse>
				<verse number="11">“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="5">
				<verse number="1">ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ፥ ብውሽጡን ብደገኡን ዝተፅሓፈ፥ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ፥ ጥቕሉል መፅሓፍ ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክቐልዖ፥ ንማሕተሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ?” እናበለ ዓው ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን።</verse>
				<verse number="4">ኣነ ድማ፥ ነቲ መፅሓፍ ዝቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ፥ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ፥ ብዙሕ በኸኹ።</verse>
				<verse number="5">ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="6">ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።</verse>
				<verse number="7">ንሱ መፂኡ፥ ነቲ መፅሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ።</verse>
				<verse number="8">ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።</verse>
				<verse number="9">ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤</verse>
				<verse number="10">ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።</verse>
				<verse number="12">ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="13">እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="14">እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="6">
				<verse number="1">እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="2">እንሆ ኸዓ፥ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዝተቐመጦ ድማ፥ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልውን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ።</verse>
				<verse number="3">ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” በለኒ።</verse>
				<verse number="4">ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="5">ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከዓ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ፀሊም ፈረስውን ረአኹ። እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">ካብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ድምፂ ሰብ ብዝመስል፥ “ሓደ መስፈሪ ስርናይ ብዲናር፥ ሰለስተ ምሸ ስገም ከዓ ብዲናር፥ ዘይትን ወይንን ግና ኣይትጕዳእ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="7">ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="8">እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረውን፥ ሞት እዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዅናት፥ ብጥሜት፥ ብፌራ፥ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም፥ ንኽቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም።</verse>
				<verse number="9">ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ።</verse>
				<verse number="10">ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”</verse>
				<verse number="11">ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።</verse>
				<verse number="12">እቲ በጊዕ፥ ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፈትሖ እንተሎ ኸዓ ረአኹ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ወጮ ፀለመት፤ ወርሒ እውን ኵለንትናኣ፥ ከም ደም ኮነት።</verse>
				<verse number="13">ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።</verse>
				<verse number="14">ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።</verse>
				<verse number="15">ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ።</verse>
				<verse number="16">ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።</verse>
				<verse number="17">እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="7">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ነበሩ።</verse>
				<verse number="2">ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥</verse>
				<verse number="3">“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።</verse>
				<verse number="4">ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ካብ ነገድ ይሁዳ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሮቤል - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ጋድ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥</verse>
				<verse number="6">ካብ ነገድ ኣሴር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ንፍታሌም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥</verse>
				<verse number="7">ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥</verse>
				<verse number="8">ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።</verse>
				<verse number="9">ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።</verse>
				<verse number="10">ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="11">እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="12">ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ “ኣሜን፥ ውዳሴን፥ ግርማን፥ ጥበብን፥ ምስጋናን፥ ክብርን፥ ስልጣንን፥ ሓይልን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።”</verse>
				<verse number="13">ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ።</verse>
				<verse number="14">ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።</verse>
				<verse number="15">ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ።</verse>
				<verse number="16">ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="8">
				<verse number="1">ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል፥ ህድኣት ኮነ።</verse>
				<verse number="2">ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ፥ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸውዓተ መለኸትውን ተውሃቦም።</verse>
				<verse number="3">ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="4">ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ ፀሎት ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓረገ።</verse>
				<verse number="5">እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ፥ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሃልሃል እናበለ ዝነድድ፥ ዓብዪ እምባ ዝመስል ነገር፥ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኮነ።</verse>
				<verse number="9">ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ፍጡርውን ሞተ፤ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከዓ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ዓብዪ ኮኸብ፥ ከም ሽግ እናነደደ፥ ካብ ሰማይ ወደቐ፤ ኣብ ሲሶ ሩባታትን፥ ኣብ ዓይኒ ማያትን ድማ ወደቐ።</verse>
				<verse number="11">ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ራብዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሲሶ ፀሓይን፥ ሲሶ ወርሕን፥ ሲሶ ኸዋኽብትን፥ ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሳልሳይ ኣፍ ድማ ፀልመተ። ስለዙይ ሲሶ ናይ መዓልቲ፥ ፀልመተ፤ ሲሶ ናይ ለይቲ ኸዓ፥ ብዘይ ብርሃን ወርሕን ከዋኽብትን ኮነ።</verse>
				<verse number="13">ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="9">
				<verse number="1">እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ እቲ ዓሚቝ ጕድጓድውን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ኮኸብ ድማ፥ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ፥ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ፥ ፀሓይን ኣየርን ፀልመተ።</verse>
				<verse number="3">ካብቲ ትኪውን፥ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ፥ ስልጣን ዘለወን ከዓ፥ ስልጣን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="4">ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ።</verse>
				<verse number="5">ክቐትሎም ዘይኮነስ፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ስልጣን ተውሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ፥ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ።</verse>
				<verse number="6">በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።</verse>
				<verse number="7">ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ኣራእሶምውን፥ ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ነበሮም፤ ገፆም ከዓ፥ ከም ገፅ ሰብ ነበረ።</verse>
				<verse number="8">ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮም፤ ኣስናኖምውን፥ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ።</verse>
				<verse number="9">ድርዒ ሓፂን ዝመስል፥ ድርዒ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎምውን፥ ከም ድምፂ እቶም ናብ ውግእ ዝጋልቡ፥ ብዙሓት ኣፍራስ ሰረገላታት ነበረ።</verse>
				<verse number="10">ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል፥ ጭራ ነበሮም፤ ንሓሙሽተ ወርሒ፥ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኡ ኸዓ፥ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።</verse>
				<verse number="11">ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል።</verse>
				<verse number="12">እቲ ቐዳማይ መከራ ሓሊፉ፤ ድሕሪዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፥ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኸዓ፥ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="14">“ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ።</verse>
				<verse number="15">እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ።</verse>
				<verse number="16">ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="17">ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፀ ሓዊን ትክን ዲንን፥ በዘን ሰለስተ መዓታት እዚኣተን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ።</verse>
				<verse number="19">ሓይሊ እቶም ኣፍራስ፥ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዝመስል፤ ርእሲውን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ።</verse>
				<verse number="20">እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።</verse>
				<verse number="21">ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="10">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።</verse>
				<verse number="2">ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ።</verse>
				<verse number="3">ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸዓ፥ ብርቱዕ ድምፂ ኣስምዐ። ድምፂ ምስ ኣስምዐ ድማ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት፥ ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣብ ባሕርን፥ ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ ድማ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ፥</verse>
				<verse number="6">በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤</verse>
				<verse number="7">እንተ ኾነ፥ በተን እቲ ሻውዓይ መልኣኽ፥ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልቲታት፥ ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎም፥ ሽዑ እቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ክፍፀም እዩ።”</verse>
				<verse number="8">እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ደጊሙ ኸዓ፥ “ኪድ እሞ፥ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ፥ ቅልዕቲ መፅሓፍ ውሰዳ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="9">ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፥ “ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፤ ንኸብድኻ መራር ክትከውን እያ፤ ኣብ ኣፍካ ግና፥ ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ከዓ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ፥ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፤ ምስ በላዕኽዋ ግና፥ ንኸብደይ መረረታ እሞ፥</verse>
				<verse number="11">“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="11">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ ዘንጊ ዝመስል መዐቀኒ ተውሃበኒ እሞ “ተስእ፤ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ መሰውእን ዓቅኖ፤ ነቶም ኣብኡ ዝሰግዱ ዘለዉውን ቍፀሮም።</verse>
				<verse number="2">እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።</verse>
				<verse number="3">ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።</verse>
				<verse number="4">እዚኣቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዝቖሙ፥ ክልተ ኣዋሊዕን ክልተ ቐናዲልን እዮም።</verse>
				<verse number="5">ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።</verse>
				<verse number="6">እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።</verse>
				<verse number="7">ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።</verse>
				<verse number="8">ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።</verse>
				<verse number="9">ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።</verse>
				<verse number="12">ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።</verse>
				<verse number="13">በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።</verse>
				<verse number="14">እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።</verse>
				<verse number="16">እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦</verse>
				<verse number="17">“ኦ፥ ዘለኻን ዝነበርካን፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ፥ ስለ ዝወሰድካዮን፥ ስለ ዝነገስካን፥ ነመስግነካ ኣለና።</verse>
				<verse number="18">ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።</verse>
				<verse number="19">እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="12">
				<verse number="1">ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ኣክሊል ድማ፥ ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተርኣየት።</verse>
				<verse number="2">ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝሓዛ ድማ፥ ክትወልድ ትፀዓር ነበረት።</verse>
				<verse number="3">ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።</verse>
				<verse number="4">ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።</verse>
				<verse number="5">ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ።</verse>
				<verse number="6">እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።</verse>
				<verse number="7">ኣብ ሰማይ ከዓ ውግእ ኾነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን፥ ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።</verse>
				<verse number="8">እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ።</verse>
				<verse number="9">እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።</verse>
				<verse number="10">ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="11">ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።</verse>
				<verse number="12">ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”</verse>
				<verse number="13">ሽዑ እቲ ገበል፥ ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ።</verse>
				<verse number="14">ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።</verse>
				<verse number="16">ምድሪ ግና፥ ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፥ ነቲ ገበል ብኣፉ ዘፍሰሶ ውሕጅ፥ ፀም ኣቢላ ሰተየቶ።</verse>
				<verse number="17">እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም።</verse>
				<verse number="18">እቲ ገበል ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደው በለ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="13">
				<verse number="1">ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።</verse>
				<verse number="2">እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።</verse>
				<verse number="3">ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን፥ ንሞት ከም ዝተሓረደ ኾይኑ ረአኽዎ፤ እቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ቍስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ፥ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።</verse>
				<verse number="4">ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="5">ዓበይቲ ነገራትን፥ ዝፀርፍ ቃላትን፥ ዝዛረብ ኣፍ ተውሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ፥ ግብሩ ኽገብርውን ስልጣን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="6">ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ።</verse>
				<verse number="7">ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።</verse>
				<verse number="9">“ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤</verse>
				<verse number="10">‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”</verse>
				<verse number="11">ካልእ ኣራዊትውን፥ ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዝመስል፥ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ከም ገበልውን ይዛረብ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።</verse>
				<verse number="13">እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።</verse>
				<verse number="14">ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኵላቶም እቶም ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ጐይቶትን ኣገልገልትን፥ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም ከም ዝግበረሎም ገበረ።</verse>
				<verse number="17">ናይቲ ኣራዊት፥ ስም ማሕተም ወይ ናይ ስሙ ቝፅሪ ዘይብሉ፥ ሓደኳ ኽዕድግን ክሸይጥን፥ ከም ዘይኽእል ይገብር ነበረ።</verse>
				<verse number="18">እምበኣርከስ፥ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘሎ፤ ቍፅሪ እቲ ኣራዊት ቍፅሪ ሰብ እዩ እሞ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይፀብፅቦ። እቲ ቝፅሩ ኸዓ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="14">
				<verse number="1">ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥ ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።</verse>
				<verse number="2">ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="3">ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።</verse>
				<verse number="4">እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።</verse>
				<verse number="6">ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="7">ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።</verse>
				<verse number="8">ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።</verse>
				<verse number="9">ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥</verse>
				<verse number="10">ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”</verse>
				<verse number="12">እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን፥ ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቕዱሳን ከዓ፥ ትዕግስቶም ኣብዙይ እዩ ዝረአ።</verse>
				<verse number="13">ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።</verse>
				<verse number="14">ረአኹ ድማ፥ እንሆ ፃዕዳ ደመና፥ ኣብቲ ደመና ኸዓ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ፥ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ ደፊኡ፥ ኣብ ኢዱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብ መቕደስ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ጊዜ ዓፂድ ቀሪቡ፥ ፍረ ምድሪ እውን በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድካ ስደድ፤ ዕፀድውን” በሎ።</verse>
				<verse number="16">እቲ ኣብ ደመና ዝተቐመጠ ኸዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪ እውን ተዓፀደት።</verse>
				<verse number="17">ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወፀ፤ ንሱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="18">ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።</verse>
				<verse number="19">እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ድማ ወሓዘ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="15">
				<verse number="1">ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።</verse>
				<verse number="2">ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።</verse>
				<verse number="3">መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።</verse>
				<verse number="4">ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”</verse>
				<verse number="5">ድሕሪዙይ ድማ ረአኹ፥ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዝኾነት ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።</verse>
				<verse number="6">እቶም ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ዘንፀባርቕ ፅሩይ ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦምውን፥ ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም ነበሩ።</verse>
				<verse number="7">ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም።</verse>
				<verse number="8">እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="16">
				<verse number="1">ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="2">ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።</verse>
				<verse number="3">እቲ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ ፅዋዑ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸዓ፥ ከም ናይ ዝሞተ ሰብ ደም ዝመስል ኮነ፤ ኣብቲ ባሕሪ ዝነብር፥ እስትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።</verse>
				<verse number="4">እቲ ሳልሳይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ናብ ሩባታትን፥ ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሳቶምውን ደም ኮኑ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣብ ማያት ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን ቕዱስ፥ ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ።</verse>
				<verse number="6">ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ፥ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="7">ካብቲ መሰውኢ ድማ፦ “እወ፥ ኦ፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ፍርድኻ፥ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ራብዓይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ፀሓይ ኣፍሰሰ። ንፀሓይውን፥ ንሰብ ብሙቐታ ኽተንድድ ሓይሊ ተውሃባ።</verse>
				<verse number="9">እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።</verse>
				<verse number="10">እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ዙፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቲ እቲ ኣራዊት ድማ፥ ፀልመተት፤ ብሰንኪ እቲ ስቓይውን፥ ሰባት መላሕሶም ሓየኹ።</verse>
				<verse number="11">ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።</verse>
				<verse number="12">እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።</verse>
				<verse number="13">ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም።</verse>
				<verse number="15">“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”</verse>
				<verse number="16">ንሳቶም ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዝበሃል ቦታ ኣከብዎም።</verse>
				<verse number="17">እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።</verse>
				<verse number="18">መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን።</verse>
				<verse number="19">እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።</verse>
				<verse number="20">ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን።</verse>
				<verse number="21">ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="17">
				<verse number="1">ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤</verse>
				<verse number="2">ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="3">ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።</verse>
				<verse number="4">እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።</verse>
				<verse number="5">ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="6">እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ።</verse>
				<verse number="7">እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።</verse>
				<verse number="8">እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።</verse>
				<verse number="9">“ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ፥ ኣብዙይ እዩ ዘሎ። እቶም ሸውዓተ ኣራእስ፥ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ፥ ሸውዓተ እምባታት እዮም። ንሳቶም ከዓ ሸውዓተ ነገስታት እዮም።</verse>
				<verse number="10">እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኽፀንሕ እዩ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ቕድም ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት፥ ሻምናይ እዩ። ካብ እቶም ሸውዓተ ኸዓ ሓደ እዩ። ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።</verse>
				<verse number="12">“እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ገና መንግስቶም ዘይተቐበሉ፥ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግና ምስቲ ኣራዊት፥ ከም ነገስታት ኮይኖም፥ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ዝቕበሉ እዮም።</verse>
				<verse number="13">እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም።</verse>
				<verse number="14">እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።</verse>
				<verse number="15">“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።</verse>
				<verse number="16">እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።</verse>
				<verse number="17">እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="18">እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ፥ ዓባይ ከተማ እያ” በለኒ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="18">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።</verse>
				<verse number="2">ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤</verse>
				<verse number="3">ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።</verse>
				<verse number="4">ካብ ሰማይ ድማ፥ ካልእ ኸምዙይ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ኣቱም ህዝበይ፥ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ፥ ኻብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉ፥ ካብኣ ውፁ፤</verse>
				<verse number="5">ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ በፂሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ፥ ዓመፃኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፥</verse>
				<verse number="6">ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።</verse>
				<verse number="7">ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።</verse>
				<verse number="8">ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።</verse>
				<verse number="9">“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።</verse>
				<verse number="10">ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="11">“እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ነጋዶ ኸዓ፥ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዝዕድገሎም ስለ ዘየለ፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።</verse>
				<verse number="12">ጥሪታቶም ከዓ፥ ወርቅን ብሩርን፥ ክቡር እምንን ሉልን፥ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ክዳንን፥ ሃርን ቀይሕ ግምጃን፥ ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዅሉ ዕፀዋትን፥ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓፂንን እምነ በረድን ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥</verse>
				<verse number="13">ቃርፋን፥ ቀመምን፥ ዕጣንን፥ ከርበን፥ ፃዕዳ ዕጣንን፥ ዘይትን፥ ሕሩጭን፥ ስርናይን፥ ከፍትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣፍራስን፥ ሰረገላታትን፥ ባሮትን፥ ምሩኻት ሰባትን እዮም።</verse>
				<verse number="14">እቶም ነጋዶ፦ ‘እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ፥ ካባኺ ሓሊፉ፤ ሃብትኽን ግርማኽን፥ ካባኺ ጠፊኡ፤ ድሕሪ ደጊም፥ እዙይ ከቶ ኣይርከብን እዩ’ ኽብሉ እዮም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦</verse>
				<verse number="16">‘እዛ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዝተኸድነት፥ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ዝተሸለመት፥ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!</verse>
				<verse number="17">ክንድዙይ ዝኣክል ሃብቲ፥ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩሞ።’ ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ።</verse>
				<verse number="18">ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="19">እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።</verse>
				<verse number="20">“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”</verse>
				<verse number="21">ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።</verse>
				<verse number="22">ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን፥ ድምፂ ደረፍትን፥ ነፋሕቲ እምብልታን፥ ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዝኾነ ዓይነት ኢደ ጥበብ ዝሰርሕ፥ ኵሉ ጥበበኛ፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ድምፂ መጥሓን፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።</verse>
				<verse number="23">ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”</verse>
				<verse number="24">ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="19">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።</verse>
				<verse number="2">ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="3">መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።</verse>
				<verse number="4">እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።</verse>
				<verse number="5">ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።</verse>
				<verse number="7">መርዓ እቲ በጊዕ በፂሑ፤ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤</verse>
				<verse number="8">ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።</verse>
				<verse number="11">ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።</verse>
				<verse number="12">ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።</verse>
				<verse number="13">ብደም ዝጠልቀየ ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።</verse>
				<verse number="14">ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ።</verse>
				<verse number="15">ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።</verse>
				<verse number="16">ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ብድሕሪዙይ፥ ሓደ መልኣኽ፥ ኣብ ፀሓይ ደው ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ፦ “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤</verse>
				<verse number="18">ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።</verse>
				<verse number="19">እቲ ኣራዊትን፥ እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከዓ፥ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠን፥ ምስቶም ሰራዊቱን፥ ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።</verse>
				<verse number="21">እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="20">
				<verse number="1">ሽዑ ሓደ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ንሱ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን፥ ገዚፍ መቑሕን፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።</verse>
				<verse number="2">እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪዙይ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ፥ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓፅዩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገበረሉ። ድሕሪዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ኣለዎ።</verse>
				<verse number="4">ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።</verse>
				<verse number="5">እቶም ዝተረፉ ምዉታን ግና፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ ኣይትስኡን። እዙይ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።</verse>
				<verse number="6">ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።</verse>
				<verse number="7">እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈፀማ ኸዓ፥ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ።</verse>
				<verse number="8">ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ንዝነብሩ ኣህዛብ፥ ከስሕቶም፥ ንጎግን ንማጎግንውን፥ ንውግእ ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቍፅሮም ድማ፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እዩ።</verse>
				<verse number="9">ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ምድሪ ወፂኦም፥ ንሰፈር እቶም ቅዱሳንን፥ ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ኸበቡ። ግና ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም።</verse>
				<verse number="10">እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።</verse>
				<verse number="11">ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።</verse>
				<verse number="12">ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።</verse>
				<verse number="13">ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ምዉታን ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታን ሃቡ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ከከም ግብሮም ተፈረዱ።</verse>
				<verse number="14">ሞትን ሲኦልንውን፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ፥ ተደርበዩ። እዝ ቓላይ ሓዊ፥ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።</verse>
				<verse number="15">ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="21">
				<verse number="1">ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።</verse>
				<verse number="2">እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።</verse>
				<verse number="3">ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="4">እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።</verse>
				<verse number="5">እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።</verse>
				<verse number="7">እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።</verse>
				<verse number="8">እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="9">ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።</verse>
				<verse number="11">ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።</verse>
				<verse number="12">ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ዘለዎ፥ ዓቢይን ነዊሕን ቅፅሪ ነበራ፤ ኣብቲ ኣፍ ደገታትውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መላእኽቲ ነበሩ። ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ተፅሒፉ ነበረ።</verse>
				<verse number="13">ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብሰሜን ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብደቡብ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብምዕራብ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ።</verse>
				<verse number="14">ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ መሰረት ነበሮ። ኣብኡ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ስም፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት እቲ በጊዕ ነበረ።</verse>
				<verse number="15">እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅፅራን ዝዕቅነሉ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።</verse>
				<verse number="16">እታ ኸተማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበራ፤ ምንዋሓን ምግፋሓን ከዓ፥ ማዕረ ነበረ። በቲ ዘንጊ ኸዓ፥ ነታ ኸተማ ዓቀና። ንውሓታ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሜትር ኮነ። ምንዋሓን፥ ምግፋሓን፥ ቁመታን፥ ማዕረ ነበረ።</verse>
				<verse number="17">ነቲ ቕፅራ ዓቀኖ፤ በቲ መልኣኽ ዝዕቅነሉ ዝነበረ እመት ሰብኣይ ድማ፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ኮነ።</verse>
				<verse number="18">እቲ ቕፅራ ድማ፥ ብኢያሰጲድ ዝተነድቀ ነበረ፤ እታ ኸተማውን፥ ፅሩይ መስትያት ብዝመስል ብፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐት ነበረት።</verse>
				<verse number="19">መሰረት ቅፅሪ እታ ኸተማ ድማ፥ ብበብዓይነቱ ኽቡር እምኒ ዘጌፀ ነበረ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ኢያሰጲድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰንፔር፥ እቲ ሳልሳይ ኬልቄዶን፥ እቲ ራብዓይ መረግድ፥</verse>
				<verse number="20">እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፥ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን፥ እቲ ሻውዓይ ክርስቲሎቤ፥ እቲ ሻምናይ ቢረሌ፥ እቲ ታሽዓይ ወራውሬ፥ እቲ ዓስራይ ክርስጵራስስ፥ እቲ መበል ዓሰርተ ሓደ ያክንት፥ እቲ መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ።</verse>
				<verse number="21">ኣብቲ ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕናቝ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ፥ ካብ ሓደ ዕንቍ ዝተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ፥ ከም መስትያት ብዘንፀባርቕ ፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐ ነበረ።</verse>
				<verse number="22">ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ።</verse>
				<verse number="23">እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።</verse>
				<verse number="24">ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።</verse>
				<verse number="25">ኣብኣ ለይቲ ዝበሃል ስለ ዘየለ፥ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።</verse>
				<verse number="26">ኣህዛብውን፥ ክብሮምን ግርማኦምን ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።</verse>
				<verse number="27">እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።</verse>
			</chapter>
			<chapter number="22">
				<verse number="1">ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።</verse>
				<verse number="2">ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።</verse>
				<verse number="3">ድሕሪ ደጊምስ መርገም፥ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም፤</verse>
				<verse number="4">ገፁ ኽሪኡ እዮም፤ ስሙውን ኣብ ግምባሮም ክኸውን እዩ።</verse>
				<verse number="5">እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።</verse>
				<verse number="6">ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”</verse>
				<verse number="7">[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ።</verse>
				<verse number="8">ነዝ ነገር እዙይ፥ ዝሰማዕኽዎን ዝረአኽዎን፥ ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኹን ምስ ረአኹን ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተደፋእኹ።</verse>
				<verse number="9">ንሱ ኸዓ “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን፥ ከምቶም ኣሕዋትካ ነቢያትን፥ ከምቶም ንቓል እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕልዉን፥ ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ” በለኒ።</verse>
				<verse number="10">ንኣይውን “እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ንቓል ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ምስጢር ጌርካ ብማሕተም ኣይትዕፀዎ።</verse>
				<verse number="11">እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ።</verse>
				<verse number="12">[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ንነፍሲ ወከፍውን፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ፥ ዓስበይ ምሳይ ኣሎ።</verse>
				<verse number="13">ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”</verse>
				<verse number="14">“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።</verse>
				<verse number="15">እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።</verse>
				<verse number="16">“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።</verse>
				<verse number="17">መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።</verse>
				<verse number="18">ኣነ፥ ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘሎ ቓል ትንቢት ንዝሰምዑ ዅሎም፥ እምስክረሎም ኣለኹ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዙይ እንተ ወሰኸ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፎም ዘለዉ መቕሰፍትታት፥ ክውስኸሉ እዩ።</verse>
				<verse number="19">ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።</verse>
				<verse number="20">እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።</verse>
				<verse number="21">ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።</verse>
			</chapter>
		</book>
	</testament>
</bible>